You are on page 1of 4

ናብ ቤት ፅሕፈት ት/ቲ ወ/ጣ/ኣበርገለ ከይዲ ስራሕ ስርዓተ ት/ቲ

ዋኒኑ: ብዛዕባ ግብረ መልሲ ሱፐርቭዥን ይምልከት


ኣብ ርእሰ ዋኒኑ ከም ዝትሓበረ ኣብ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት ሱፐርቭዥን ዝተኻየደለን ኣብያተ ት/ቲ ኣመልኪቱ ዝተዳለወ
በዓል__________ገፅ ዝተልኣኸ ምኻኑ ነፍልጥ።
ኣገበ ላዕላዋይ 2ይ ብርኪ ቤት ት/ቲ
I. ቁልፊ መደብ
1. ትልሚ ዝምልከት
 ጥንካረ
 ኩሎም ትልምታት ኣብ እዋኖም ዝተዳለው ምኻኖም
 ዓመታዊ ትልሚ ብ ማ/ሰብ ቤት ት/ቲ ዝፀደቐ ምኻኑ
 ድኽመት
 ዓመታዊ ትልምን ትልሚ ሽዱሽተ ወርሕን ኣብ ቤት ምኽሪ ጣብያ ዘይፀደቑ ምኻኖም
 ትልሚ ከም ቁልፊ መሳርሒ ወሲድካ ኣብ ምጥቃም ዝደኸመ ምኻኑ
 ትልሚ ኩለን ዲፓርትመንታት ትልሚ ቤንች ማርክ ዘየቐመጣ ምኻነን
 ፍፃመ ትልምታት በብ እዋኑ ዘይዕቀኑ ምኻኖም
2. ምድላው ፈፀምቲ ዓቕምታት
 ጥንካረ
 ዝተፈላለዩ ገምጋማዊ ስልጠናታት ዝተወሃቡ ምኻኖም
 ኣኼባ ወመጉ ክሳብ ሕዚ ክልተ ግዜ ዝተኻየደ ምኻኑ
 ድኽመት
 ዝተነፀሩ መፍትሕታት ዝድለ ውፅኢት ክሳብ ዝርከቦም ዘይስዓብ
 ዝተረኸቡ ለውጥታት ዘይምግፋሕ
3. ደገፍን ክትትልን
ክለባት ዝምልከት
 ጥንካረ
 ሚኒ ሚድያ ካብ ኩሎም ክለባት ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ምክንያቱ ኣብ እዋኑ ኣባላት
ተፍሪ ፥መተሓባበርቲ ትመርፅ፥ ስራሕ ኣባላት ተፍልጥ፥በብ ክልተ ሰሙን ኣባላት
ትግምግምን ትሰርዕን፥ ኣብ ሰልፊ ንጥፈታት ተቕርብ፥በራሪ ፅሕፉን መፅሄትን ተዳውን
ትዕደልን፥ሰልፊ ለካቲት 11 ተካይድ ስለዝነበረት እዩ።
 ድኽመት
 መብዛሕትአን ክለባት ብዘውፅእኦ ትልሚ ዘይንቀሳቐሳ ምኻነን
ኮሚቴታት ዝምልከት
 ጥንካረ
 ስርዓተ ት/ቲ ዝሓሽት ኮሚቴ እያ ምክንያቱ ድማ ትልሚ ዘለዋ ምኻኑ፥ ቃለ ጉባኤ
እናሓዘት ተኸታታሊ ምዝናን ሚድ ፈተናን ከምኡ ‘ውን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃርን
ኣጠቓላሊ ፈተና 1ይ መንፈቕ ዓመት ስለዝገምገመት እዩ።
 ኮሚቴ ተመሙ ብ 2ይ ደረጃ ዝሓሸት እያ ምክንያቱ ድማ መብዛሕቲኡ መ/ር ነፅብራቕ
ኣታዊ ስለዝገብር እዩ።
 ድኽመት
 ኮሚቴ ምምሕያሽ ቤት ት/ቲ ን ግደማዊ ንጥፈትን ምንም ዓይነት ጅማሮ
ስለዘይብለን ዝደኸማ እየን።
ውዳበ ዝምልከት
 ጥንካረ
 ወመተሕን ቤተ ንባብን ዝሓሸ ምንቅስቓስ ዘለወን እየን።
 ድኽመት
 ጨ/ማእኸል፥ቤተ-ፈተነ፥ፓርላማ ትምሃሮ ዝደኸማ እየን።
ዲፓርትመንት ዝምልከት
 ጥንካረ
 ኩለን ትልሚ ዘውፅኣ ምኻነን
 ድኽመት
 ኩለን ቤንች ማርክ ዘይተለማ ምኻነን

4. ምችውነት ቤት ት/ቲ ዝምልከት

 ጥንካረ
 ካብ ሕሉፍ ዓመታት ዝሓሸ ኣታዊ ብር 22871.85 ኣታዊ ዝኾነሉ ምኻኑ
 ድኽመት
 ስሩዕ ኣታውን ወፃእን ባሕሪ መዝገብ ዘየለ ምኻኑ
 ኦዲት ዘይተገበረ ብዝብል ምኽንያት ዝዞረ ገንዘብ ኣብ ጥቕሚ ትምሃሮ ዘይዋዓለ
ምኻኑ
II. ዓብይ መደብ
5. ምብቃዕ ተምሃሮ ዝምልከት
ኔትዎርክ ተምሃሮ ዝምልከት
 ጥንካረ
 ኔትዎርክ እስስር ዝተሰርሐ ምኻኑ
 ረቡዕ ብ ኣንፅር ሽፍቲ ዝካየድ ምኻኑ
 ድኽመት
 ክትትልን ደገፍን ዝደኸመ ምኻኑ
 ስግግር ኔትዎርክ ዝደኸመ ምኻኑ
ቱቶርያል ዝምልከት
 ጥንካረ
 የለን
 ድኽመት
 ጣቕላላ ዘይወሃብ ምኻኑ
ፉልይ ሓገዝ
 ጥንካረ
 የለን
 ድኽመት
 ጣቕላላ ዘይወሃብ ምኻኑ

ብኽነት ክፍለ-ግዜ
ሓበሬታ ንምርካብ ኣይተኸኣለን
ምቁራፅ ዝምልከት
ተባ ኣን ድምር ምኽንያት
39 24 63 ካብ ቤት ት/ቲ ዝወፁ
21 14 35 ብዝውውር ዝኽዱ
18 10 28 ዘቃረፁ

You might also like