You are on page 1of 12

ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ዝግበር ስምምዕነት መን ንኽጥዕሞ?

ሙሉጌታ ወልደገብርኤል
ዓላማ ናይዚ ፅሑፍ፥ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይ ዝፈጥሮ ጦርነት ኣብ መወዳእታ ፖለቲካዊ ፍታሕ ብምንዳይን ምግባርን
ዕልባት ክዝረክብ ዝኽእል ፈጠርቲ ናይቲ ጦርነት ፈትዮም ድዩ ተገዲዶም ኣብ ስምምዕነት ምስ ዝበፅሑ እቲ “ዓማፂ”
ሓይሊ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ምግባር ዝተለመደ ኣሰራርሓ ‘ዩ። ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ዝተለመደ እንትኸውን ኣካል ናይ
ሰላምን ዕርቂን ምውራድ ተገይሩ ድማ ይውሰድ። ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሀገራትን መንግስታትን መኺራን ዘኪራን
ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀመቶ ወረራ ተራ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይ ዝፈጠሮ ጎንፂ ዘይኮነ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ
ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀመቶ ወራር ካብ ምኒሊክ ጀሚሩ እትሓልሞ ህዝቢ ትግራይ ዘርኢ ንኸይተርፎ ናይ ምፅናትን
ምንብርካኽን ዝዓለመ ‘ዩ። እዚ ንምኻኑ ድማ ዝተፈላለዩ ሰበ-ስልጣናት ኢትዮጵያ (ብፍላይ ሰብ-ስልጣን ኣምሓራይ)
ተሓቢኦም ጥራሕ ዘይኮነ ብዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ፀላኢ ከም ዝኾነ፣ ንዝቕፅል ሚኢቲ ዓመት ህልውና
ንኸይህልዎ፣ ፈፂሙ ክበርስን ክስበርን ኣለዎ ኢሎም ከም ዝተልዓሉ ይፍለጥ። ብምኻኑ ድማ፥ መዳለዊ ናይዚ ፅሑፍ
ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ሰራዊት ትግራይ ንምብታን ኮነ ንምድኻም ዝምከር ምኽሪ፣ ዝግበር ሽርሒ፣ ዝብፃሕ
ስምምዕነት ኣንፃር ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ‘ዩ! ኢሉ ብፅኑዕ ስለ ዝኣምን፤ ብተወሳኺ ድማ፥ እቲ ሓዚ
ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሕነት “ኣብ ጦርነት ኢና ዘለና” ብዝብል ሽፋን ሰብ ድርሻ ኣካላት ትግራይ ብዓብይዩ ድማ
ህዝቢ ትግራይ ኣግሊሉ ዝውስኖም ዘለዉ ፖለቲካዊ ውሳነታት ሕጋውን ሞራላውን መሰረት ስለ ዘይብሉ ተቃውምኡ
ንምግላፅ ዝተዳለወ ፅሑፍ ‘ዩ።
ገደብ ናይዚ ፅሑፍ፥ ዕጥቂ ምፍታሕ ሰራዊት ትግራይ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ዝግበር ናይ
ሰላም ስምምዕነት ጌርካ ምውሳድ ሓደገኛ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ምኳኑ ጥራሕ ዘይኮነ መልዓሊ ናይቲ ፀገምን
ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀመቶ ናይ ዘርኢ ምፅናት፣ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊነት ዝፍፀምን ናይ ጦር ገበንን
ኣፍልጦ ዘይምሃብ ‘ዩ። ብተወሳኺ፥ ብሽም ሰላምን ዕርቅን ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ምግባር እቲ ፀገም
ምፍታሕ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ሓሞኽሽቲ ምንስናስ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ከም ድሌትን ምኞትን ኢትዮጵያ ዘርኢ
ንኸይተርፈሉ ፈፂሙ ዘይጠኣ ብምሕረት ኢትዮጵያ ዘይኮነ ሳላ ቓልስና፣ ሳላ ኣሕዋናን ኣሓትናን ዝኸፈልዎ ናይ
ህይወት መስዋዕነት ‘ዩ። መስዋዕትነት ህዝቢ ትግራይ ከንቱ ኾይኑ ይትረፍ በሃላይ ተዘይኮይኑ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ
ንኽፈትሕ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዘተ ተቐባልነት የብሉን፤ እዚ ክገብር ዝኽእል ስልጣን ዘለዎ ኣካል ‘ውን የለን።
መፃኢ ዕድል ህዝቢ ትግራይ ብሪፈረንደም ዝውሰን እንተ-ኾይኑ ድማ ሰራዊት ትግራይ ብዝምልከት ሕጋዊ ስልጣንን
መብትን ክህልዎ ዝኽእል ህዝቢ ትግራይ መፃኢኡ ድሕሪ ምውሳን ብዝቛቖም ሕጋዊ መንግስቲ ትግራይ ጥራሕ
ይኸውን። ናይዚ ፅሑፍ ፍረ ሓሳብ በዚ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ማዕቀፍ ንኽንበብ ድማ እላቦ።
መእተዊ፥
መሪሕነት ትግራይ፥ ብፍላይ እቲ ሽም ጥራሕ ሒዙ ተሪፉ ዘሎ፣ ብሽም ህዝብን ሰማዕታት ትግራይን ብምንጋድ ስኑ
ዝነቐለ ዝተራረፈ መሪሕነት ህወሓት ካብ በረኻታት ቆላ ተንቤን ወፂኡ ናብ መቐለ ምእታዉ ስዒብ “ኣብ ጦርነት
ኢና ዘለና” ዝብል ቀምሽ አስፊዩ ብዝተኸደኖ ሓድሽ ቅዲ ተሓቢኡ እንደ ገና ስልጣኑ ንኸደላድን ረብሓታቱ
ከጣጥሕን ኮነ ኢሉ ብዓላማ ብተደጋጋሚ ዝሰርሖም ኣሻጥራት ኣብ እዋኑ ብምቅላዕ ንኽስተኻኽል ካብ ባዕለይ ጀሚሩ
ዝተገብረ ፃዕሪ ኾነ ዝተሰመዐ ናይ ተቓውሞ ድምፂ የለን። እዚ ዝኾኖሉ ምኽንያት ሓደ፥ ኣብ ጦርነት ኢና ዘለና
ዝብል እንትኸውን ብተወሳኺ ድማ፥ ስሕተት መሪሕነት ህወሓት ንምስትኽኻል ክበሃል ዝስንዘር ኣብ ጭቡጥ መርትዖ
ዝተመርኮዘ ዝኾነ ይኹን መከራኸሪ ሓሳብ ነቲ ቃልሲ ካብ ምኽፋልን ምጉዳእን ሓሊፉ ኣንፃርና ዝተሰለፉ ግዳማዊ
ሓይልታት ክጥቀሙልን ተመሊሶም መጥፍኢና ክገብርዎ ከም ዝኽእል ስለ ዝተኣመነሉን ስለ ዝፍለጥን ‘ዩ። ብምኻኑ
ድማ፥ ‘ምእንቲ እታ መጎጎ ትሕለፍ እታ ኣንጭዋ’ ተባሂሉ ዝተሓለፈ ቡኹት መሪሕነት ህወሓት ዳርጋ ሎተሪ
ዝወፀሉ ስቕታ ተጋሩ ከም ዓብይ ዕድል ብምጥቃም እታ ናይ ትማሊ መጥፍኢት ዓድን ህዝብን ዝኾነት ዝበኸተት
ኣሰራርሕኡ ተግባራዊ ካብ ምግባር ዓዲ ኣይወዓለን።
ትግራዋይ ዘበለ ኹሉ ኣብ ቁጠዓን ኣብ ስምዒት ከም ዘሎ ጠንቂቑ ዝተረደኣ መሪሕነት ህወሓት ስልጣኑንን ረብሕኡን
ንኸደላድልን ከሰስንን ንሰርሖምን ንፍፅሞምን ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ሽርሕታት ልቢ ኢሉ ዝርእየና ሰብ የለን!
ኢሎም ዝፈፀምዎ ክፋእ ጥራሕ ዘይኮነ እቲ ዘሕዝንን ዝገርምን እዚ ርእዩ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣፍ ኣውፂኡ ክቃወመና
ዝኽእል ሰብ የለን! ኢሎም ብምእማን ዝፈፀምዎን ብቐፃልነት ዝፍፅምዎ ዘለዉ መሰሪነት ምኻኑ ‘ዩ። ከም እምነት
መሪሕነት ህወሓት፥ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ልዕሌና (ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት) ሕቶ ዘልዕል ዝኾነ ይኹን
ትግራዋይ ባንዳ ‘ዩ! እንተልናዮ ንዘልኣለም ክንሰብሮን ክነፀሉምን ኢና። ኣብ ስምዒትን ኣብ ቁጠዓን ዘሎ ህዝቢ
ድማ ክሰምዓናን ክድግፈናን ‘ዩ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ ዝገበርዎ ኹሉ ንኽገብሩ ዓቕሚ ፈጢርሎም ‘ዩ።
መሪሕነት ህወሓት ካሊእ ይትረፍ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ዕፅዋ ከይተረፈ ከም ተወሳኺ ዕድል
ብምጥቃም ዝዓነወ መሓውራታቱ ንምፅጋን ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ይፍለጥ። ዓላማን ሽቶን ናይዚ መሪሕነት፥
ማሕበረሰብ ትግራይ ከም ህዝቢ ኣጥሚኻን ኣጎሳቒላካን ፅግዕተኛ ናይቲ ውድብ ምግባር እንትኸውን፤ ብተወሳኺ፥
ብምፍርራሕ፣ ብምሽባርን ብምውራድን ሙሉእ ብሙሉእ ምቁፅፃር ምኽኣል ዝዓለመ ‘ዩ (ብኻሊእ መንገዲ ድጋፍ
ክረክብ ስለ ዘይኽእል)። መሪሕነት ህወሓት፥ ኣብ ፀልማት፣ ኣብ ጥሜትን ሕሰምን ዝርከብ ህዝቢ ከየደንገፆ መሓውሩ
ንኸጠናኽር ኩነታት ትግራይ ካብ ሰማይ ከም ዝወረደ ሲሳይ ጌይሩ ብምቑፃር ዝሰርሖምን ዝፍፅሞምን ዘለዉ ናይ
ፖለቲካ ሽርሕታት ንሰማዒ እዝኒ ዘደንፅው ‘ዩ። ብስእነት መድሓኒትን እኽልን ኣደዳ ጥሜትን ጥፍኣትን ኮይኖም
ዝርከቡ ሕፃናትን ሽማግለታት ትግራይ ከየሰከፎ ‘ምስ ኢትዮጵያ ምፅናሕ’ ዝብል ምርጭኡ ንኸዕውት ሓደሽቲ ኣባላት
ኣብ ምምልማልን ኣብ ምስልጣንን ዝተፀመደ እዚ መሪሕነት ብሓቂ ‘ውን ተኾነ ዝጎደሎ ነገር የለን። ህዝቢ ዝለሓስ
ስኢኑ ኣብ ፀልማት ተዓፂፉ ይሓድር ኣሎ፥ መሪሕነት ህወሓት ብኣንፃሩ ኣብ ሳውና ተኣሊኾም ይውዕሉ ኣለዉ።
መሪሕነት ህወሓት ከም ህዝቦም ኣብ ችግር ኣብ ዝነበርሉ ወቕቲ እንታይ መሲሎም ከም ዝነበሩ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኩነታት
ህዝቢ እናኸፍኣ ኣብ ዝኸደሉ ኣብዚ ሰዓት እዚ ግን መራሕቲ ህወሓት ኣብ ሕፅኖት ‘ዮም ዘለዉ።
ካሊእ መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ብዝምልከት ‘ዩ። ኣርብዓ ዓመት ናይ ጦርነት ልምዲ ኣለና ዝብሉ ሰባት ካብ
ማእኸል ትግራይ ተላዒሎም ደገ ኣፍ ደብረ ብርሃን ክበፅሑ ከለው ሠራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዕጡቕን ሚኒሻን
ኣምሓራይ ዕንበባ ሒዙ ኣይተቐበሎምን። ሰራዊት ትግራይ ንቕድሚት ብዝኸደ ቁፅሪ መንእሰይ ትግራይ ወዲቑ ‘ዩ።
እቲ ሓቂ፥ ኣይኮነንዶ ኣማኢቲ ማይል፥ ሓሙሽተ ማይል ኣብ እዋን ጦርነት ዕጡቕ ሓይሊ ንምንቅስቓስ ዝሓቶን
ክኸፍሎን ዝኽእል መስዋእትነትን ሎጂስትክን ቀሊል ኣይኮነን። ሰራዊት ትግራይ ካብ ማእኸል ትግራይ ተላዒሉ
ንማእኸል ዓዲ ክግስግስ ከሎ ንምንታይ? እንታይ ‘ዩ እቲ ዓላማ? ክበሃል ከሎ ኣብ ልዕሌና ዝተፈፀመ ዕፅዋ ንምኽፋት
‘ዩ ተባሂሉ። ኣብዚ ፀገም ዘለዎ ሰብ የለን። እዚ ስዒቡ ግን ንሕና ጥራሕ ኢና ንፈልጥ በሃላይ መንፈስ ከይዶም
ከይዶም ናብ ቦታና ተመሊስና ኣለና ኢሎምና (ናብ ዝርዝር ክኣትው ስለ ዘይደለኹ ‘ዩ)። ሰራዊት ትግራይ ናብ
ቦትኡ ዝተመለሰሉ ምኽንያት ግን ወረርቲ ሓይልታት ብተመሳሳሊ ካብ ግዝኣት ትግራይ ጠቕሊሎም ወፂኦም ናብ
ቦታኦም ስለ ዝተመለሱ ድዩ? እቲ ዝተብሃለ ዕፅዋ ስለ ዝተሰበረ ድዩ? ወይስ ካሊእ ምኽንያት ኣለዎ ተባሂሉ ንዝለዓል
ሕቶ፥ ሰራዊት ትግራይ ናብ ቦትኡ ዝተመለሰሉ ምኽንያት መራሕነት ትግራይ ዝሃቦ ምላሽ፥ ማይ ዘይቛፅር፣ ኣይኮነንዶ
ንበዓል ኣእምሮ ንህፃን ቆልዓ ዘየእምን፣ በትሪ ተተትሕዝዎ ንሕድሕድ ዝዋቓዕ፣ ቆሎ ጥጥቖ ዝኾነ፣ ሰባትና
ዘይበተከልና ምኻኑ ብግልፂ ዘመላኽት መግለጺ ‘ዩ። ዘረባ ዝለመደ ፖለቲከኛ ናይ ወታደር ስራ ክሰርሕ ከሎ፣
ሰራዊት ብፖለቲካዊ ውሳኔታት ንኽንቀሳቀስ ክግደድ ከሎ፣ ግልፅን ንፁርን ዓላማ ብዘይብሉ መሪሕነት ክዝወር ከሎ
ከምዚ ዝበለ ኪሳራ ምሕፋስ ድማ ግድን ‘ዩ። ከምዚ ዝበለ ናይ ኪሳራ ውሳነታት ‘ውን ንመራሕቲ ህወሓት ናይ
መጀመሪያ ኣይኮነን። እቲ ዝቑረፅን ዝመውትን ዘሎ ዘይንታዮም ዝኾነ መንእሰይ ትግራይ ብምኻኑ ከምዚ ዝበለ
ስንኩል መሪሕነት ዝፈጥሮ ስትራቴጂካዊ ስሕተት ንመራሕቲ ህወሓት ክሳብ ክንድዚ ዘጨንቕ ነገር ‘ውን ኣይኮነን።
ኣድላይነት ሰራዊት ትግራይ ንሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ
ወረራ፥ ሓደ ኣብ ልዕሊ ኻሊእ ዝፍፅሞ ወታደራዊ መጥቃዕቲ እንትኸውን ነዚ ናይ ሓይሊ ተግባር ጋህዲ ዝገብሩ
ረቛሒታት ከከም ዓዱ ዝተፈላለየ ክኽውን ከሎ ንኹሎም ዓይነታት ወራር ሓደ ዝገብሮም ነገር እንተለወ ግን ኩሎም
ናይ ወራር ዓይነታት ብሃበ ተረኽበ ዝፈፀሙ ዘይኮኑ ብዓላማን ብእቅድን ዝፍጸሙ ምኻኖም ‘ዩ። ወራር ኣብ ጥራሕ
ሜዳ ዝፍፀምን ዝፍጠርን ነገር ዘይኮነ ወራር ደካማ ‘ዩ ኢልካ ዝኣመንካዮ ሓይሊ ንምጉባጥን ንምንብርካኽን ዝዓለመ
‘ዩ። ወራር፥ ሓያል ስለ ዝኾንካ ጥራሕ ‘ውን ኣይፍፀምን። ብኣብዝሓ ወራር ዝፍፀም ማለት ‘ውን ሰራዊት ኣዝሚትካ
ትወሮን ትወቕዖን ህዝቢ ዓቕሚ የብሉን ኢልካ ብጭቡጥ ዝገመትካዮን ዘረጋገፅካዮን ህዝብን መንግስትን ‘ዩ። ዓላማ
ናይ ወራር ረብሓታትካ ንምሕላውን ኣብ ልዕሊ እቲ ፃላኢ ዝበልካዮ ህዝብን መንግስትን ዕንወትን ኪሳራን ምብፃሕ
ስለዝኾነ ድማ፥ ተመጣጣኒ ዓቕሚ ዘለዎ፣ ዓፀፌታ ክምልስ ዝኽእል፣ ህዝብን መንግስትን ምኻኑ ናፈለጥካ ወራር
ኣይፍፀምን። እቲ ቑምነገር፥ ከም ህዝቢ ዝተጠቓዕና ውሑዳት ስለ ዝኾና ዘይኮነ፥ ሃለዋትናን ድሕንነትናን ክሕልው
ዝኽእል ሰራዊት ስለ ዘይነበረና ‘ዩ።
ኢትዮጵያ፥ ምስ ሱዳን፣ ኤርትራ፣ ሶማሊያን ዐረብ ኢምሬትን ብምምካር፥ ብሰሜን ብደቡብ ብምዕራብን
ብምብራቕን፣ ብሰማይን ብምድርን መፅዮም ከም ህዝቢ ንኸይንቕፅል ዓቕሞም ዝፈቐዶ ዘበለ ገይሮም ዘፅነቱና
ብሃንደበት ዘይኮነ ናይ መጀመሪያ መፅናዕቶም ትግራይ ነፍሳ ንኽትከላኸል ዘኽእላ ዓቕሚ የብላን ኢሉም ብጭቡጥ
ስለ ዘረጋገፁ ‘ዩ። ካሊእ ይትረፍ፥ ትግራይ ክሳብ ክንደይ ጥራሕ ዝባና ምኳና ፈሊጦም ኣትዮም፥ ዝውቃዕ ወቒዖም፣
ዝእሰር ኣሲሮም፣ ዝሕነቕ ሓኒቖም፣ ዝቕተል ቀቲሎም፣ ዝወርድን ዝዋረድን ኣውሪዶምን ኣዋሪዶምን ዝሽየም
ሸይሞም፣ ገይሮም ከም ዘይገበሩ ንኽወፁ ክልተ ሰሙን ጥራሕ ‘ዩ ዘድለና ኢሎም ዝወረሩና ናይ ደገ ሓይሊ ክከላኸል
ዝኽእልን ነዚ ዝሰልጠነ ሰራዊት ከም ዘይብልና ስለ ዝፈለጡን ብዝግባእ ስለ ዘፅንዑናን ‘ዩ። እቲ ዝነበረ “ፍሉይ
ሓይሊ” ተባሂሉ ዝፍለጥ/ዝፅዋዕ ሓይሊ ዝነበሮ ስልጠና ኾነ ቁመና ሃለዋትን ድሕንነትን ክብርን መንነትን ህዝቢ
ትግራይ ንኽሕልው ዝሰልጠነን ዝተዳለውን ሓይሊ ዘይኮነ ስልጣንን ውልቃዊ ረብሓ መሪሕነት ትግራይ ንምሕላውን፣
ኣብ ልዕሊ መሪሒነት ትግራይ ሕቶ ንዘልዕል ዝኾነ ይኹን ናይ ተቓውሞ ድምፂ ንምዕፋን ዓሊሙ ዝተጣየሸን
ዝሰልጠን ሓይሊ ‘ዩ ነይሩ።
እቲ ሕዚ ዘሎ ሰራዊት ትግራይ ነይርና ተዝኸውን ነይሩ ምወረሩና ዶ ነይሮም? እቲ ሓቂ፥ ኣይኮነን ክወሩና ብሕልሞም
ኣይመሓሰብዎን ነይሮም። ወዲ ሰራሒ ማዕፆ ዝብኢ ወሰዶ! ከም ዝብልዎ ኾይኑ ግን ማዕፆ ዘይብሉ ገዛ ክረክብ ከሎ
ዘው ኢሉ ዘይኣትው መን ‘ዩ? ሰራዊት ከም ሽሙ ሓላዊ ዓዲ ‘ዩ። ትግራይ ብኣንፃሩ፥ ሓዊ ክንገብራ ኢና፣ ኣብ
ርዕሶም ክነፍስሰን ኢና፣ ክንውድኦም ኢና፣ ይፈልጡና ኢዮም፣ ንፋለጥ ኢና… ዝብሉ መወዳእታ ዘይብሉ ተራ
ፕሮፓጋንዳ ዝሓለፈ ብጭቡጥ ወራሪ ሓይሊ ክምክት ዝኽእል ብመጠን ይኹን ብዓቕሚ ዓዱ ንኽሕልው ዘኽእል
ስልጠና ዘለዎ ሰራዊት ኣይነበራን። ስለ ዝኾነ ድማ ብላዕልን ብታሕትን ብዝመፁ ሓይልታት ፀኒትና ኢና። ዋላኳ
ብዝመኸርዎን ብዝሓሰብዎን መጠን ትግራይ ካብ ካርታ፥ ህዝቢ ትግራይ ካብ ህልውና ፈፂሞም ከጥፍኡናን ከፍሕቑናን
ኣይኽኣሉ ድኣምበር ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ዓድናን ዝወረደ ግፍዕን በደልን ዘይገልፆ ጥፍኣት ግን ብቐሊሉ ዝሕለፍ
ኣይኮነን።

ሰብ ናይ ፋብሪካ ውፅኢት/ምርቲ ኣይኮነን። እዚ ማለት፥ ሰብ ምቕታል ቀሊል ኣይኮነን። 98% ደቂሰባት ሰብ ናይ


ምቕታል ዓቕሚ የብሉን። ዓይኖም ሰለም ከይበሉ ሰብ ናይ ምቕታል ዓቕምን ድለውነትን ዘለዎም ሰባት 2% እንትኾን
ካብዚ እቲ ዝበዝሓ ብኣተሓሳስብኡን ድልውነቱን ካብ ሰብነት ኣውፂኡ ናብ ኣውሬነት ናይ ምቕያር ዓቕሚ ዘለዎ
ፍሉይ ወታደራዊ ስልጠና ዝወሰደን ዝሓልፍን ሰብ (Infantryman) ጥራሕ ‘ዩ። ብርግፅ፥ ጦርነት ክበሃል ከሎ
ምቕታል ‘ዩ፤ ካሊእ ትርጉም የብሉን። ኣብ ልዕሊ ንፁሓን፣ ነፍሶም ክከላኸሉ ዘይኽእሉ፣ ዘይተዓጥቁ ሰላማውን
ሰባት ግፍዒ ምፍፃም ምጭፍጫፍን ግን ካሊእ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ፥ ብሕማምን ብጥሜትን ፈፂሙ
ንኽፀንት ዝተገብረ ዕፅዋ ከምዘሎ ኾይኑ፥ ኢትዮጵያውን ኣብ ልዕሊ መንእሰይ ትግራይ፣ ካህናትን ዲያቆናትን፣
ብዓቕሚ ዝደኸሙ ሽማግለታትን የማን ፀጋሞም ዘይፈለዩ ሕፃናት፣ ኣንስቲ ካህናትን ደናግላትን፣ ኣብ ልዕሊ አዶታትን
ደቂ ኣነስትዮ ትግራይን ብሓፈሻ ዝፈፀምዎ ግፍዕን በደልን ንዓይ ንኽሓስቦ ካብ ኣእምሮ ንላዕሊ ‘ዩ። ሰብሲቦም
ረሺኖምና እንተብቅዑ ኣልባሳትና ቀንጢጦም ናብ ገደልን ወሓዝን ኣፅዲፎምናን ደርቤሙናን ‘ዮም፣ ላምባ ነስኒሶም
ከም ጭራሮ ኣቃፂሎምና ‘ዩም፣ ከም ከፍቲ ብገመድ ኣሲሮም ኣጋዲሞም ሓሪዶማና ‘ዮም፣ ክብሪ ኣዶታትናን
ኣሓትናን ንሰማዒ እዝኒ ብዘሳቕቕ ተጋሲስም ‘ዮም፣ እዚ ኣይፈፀምናን ‘ውን ኣይበሉን፥ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣነስትዮ
ትግራይ ዝተፈፀመ ነውሪ ብፓርላማ ብጀግነት ተነጊርሉ ‘ዩ። መንፈሳውያን ኢና ዝብሉ፣ ሰይጣን ዝተሓዝሎም
ጳጳሳትን ፓስተርን ከይተረፉ ዕፀዎ፣ ቅተሎ፣ ሰይጣን ይሕሸና! ኢሎም ኣብ ርዕሴና ክለዓሉ ከለዉ ተራ ናይ ፖለቲካ
ኣፈላላይ ዝፈጠሮ ፀገም ዘይኮነ ሃለዋት ህዝቢ ትግራይ ስለ ዘይወሓጠሎም ‘ዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ
ዝተፈፀመ ወራር ምስ መራሕቲ ህወሓት ዘለዎ ምትእስ ሳር ብዝምለክት መራሕቲ ህወሓት መምህሩ ይሕሊፉ ዝሃበ
ናይ ይሁዳ ሚና ካብ ምፅዋት ሓሊፎም ካሊእ ግደ የብሎምን። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈፀመ ወረራን
ነቲ ወራር ስዒቡ ዝጠፈኣ ሰብናን ብረትናን ፈፂሙ ክኸውን ዘይነበሮን ዘይግባእን ‘ዩ። ትግራዋይ ኣንበርኪኽካን
ኣፅኒትካን ምንሊካዊት ኢትዮጵያ ናይ ምፍጣር ዘይሞተ ሕልሚ ኢትዮጵያውያን ግን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ኮይኑ
ዝረኣናዮ ግፍን በደል ዘይገልፆ አረማዊነት ሓቂ ንክኸውን ገይሩ ‘ዩ። በዚ በለ በቲ፥ ኣዚ ኣብ ርእሴና ዝተፈፀመ
ዘርኢ ምፅናት ገበን ዳግም ንኸይፍፀም መፍትሒኡ መልዓሊ እቲ ፀገም ብንፁር/ብዕሊ ምፍላጥን ምቕማጥ ከድሊ
‘ዩ። ምኽንያቱም፥ መፃኢ ትግራይ ኣመልኪትና እንገብሮን እንበፅሖን ዝኾነ ይኹን ውሳኔ ኣብዚ መሰረት ዝገበረ
ተዘይኮይኑ እንደገና ምጥፋእናን ምንፃትናን ስለ ዘይተርፍ ‘ዩ።
ሕዚ ‘ውን ትግራዋይ ከም ህዝቢ ባህሉን መንነቱን ዓቒቡ ክነብር እንተ-ኾይኑ፥ ሃለዋቱን ድሕንነቱን ክብሩን መንነቱን
ሓሊዩ ንኽነብር ዘኽእሎ ስጡም ወታደራዊ ዓቕሚ ክፈጥር ተኽኢሉ ጥራሕ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ፥ ንሃለዋቱን
ድሕንነቱን ንምሕላው ወታደራዊ ቅልፅሙ ኣሓይሉ ደው ካብ ምባል ወፃኢ ካሊእ ውሕስነት የብሉን። እዚ ድማ
ሰላም ምስ ምግባር ኮነ ዕርቂ ምስ ምፍፃም ዘራኽቦ ነገር የለን። ነፍስኻ ምሕላው ፀረ-ሰላም ምኻን/ምስላፍ ማለት ስለ
ዘይኮነ። ተኣሚኖምና ክንኣምኖም ኢና ተዘይኣምኖምና ድማ ኣይንኣምኖምን። ኣብ ዓለም ክነብር እንተ-ኾይና፥
ዓለም ብቑልዓ ምርኣይ፣ ጭቡጥ ነባራዊ ዓለም ምፍላጥ፣ ዝፈለጥናዮ ኣብ ተግባር ምውዓል ክሓተና ‘ዩ። እዚኣ
ንምርዳእ ድማ ናይ ፖለቲካ ሊቅ ምኻን ኣይሓትትን። መፃኢ ዕድል ሰራዊት ትግራይ ኣመልኪትና ናይ ህዝቢ (ናይ
ተጋሩ) ርኢቶ ተነሰባስብ ድማ ብምብታን ሰራዊት ትግራይ ዝስማዕማዕ ሓደ ካብ ሚኢቲ ትግራዋይ ኣይርከብን።
ንምንታይ? መስዋዕቲ ዝኸፈለ ህዝቢ መርገፂኡ ፅኑዕ ስለ ዝኾነን ውሳነታቱ ስዒቡ ንዝመፅ ዝኾነ ይኹን ሳዕቤን
ብተመሳሳሊ ብፀጋ ሓንጎፋይ ኢሉ ንምቕባል ስለ ዘይፅገመን ዘየመናትእ ‘ዩ። ብኣንፃሩ፥ ‘ኣመል ምስ መግነዝ’ ከም
ዝብልዎ፥ ሸውላለ ዝለመደ መሪሕነት ግን ድሌቱን ምኞቱን ካሊእ ስለ ዝኾነ ደምን ኣዕፅምትን ምእንቲ ህዝቦም
ዝወደቑ ስውኣት ረጊፁ ዝጥዕሞ ንኽገብር ኣየጉህዮን። እምበኣርከስ፥ ኣድላይነት ሰራዊት ትግራይ ንሃለዋትን
ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይን ወሳንነቱን ኣመልኪተ እዚ ኻበልኩ፤ እዚ ኹሉ ዘዛራርበና ዘሎ ሰራዊት ትግራይ ዋና
ዘይብሉ ኾይኑ ድዩ? ሕጋዊ በዓል ዋና ሰራዊት ትግራይ መን ‘ዩ? ዝብሉ ሕቶታት ኣልዒልና ቀፂልና ንመልከት።
በዓል ዋና ሰራዊት ትግራይ መን ‘ዩ?
ዋንነት ምሕደራ ከም ምኻኑ መጠን ልዕሊ ፀሓይ ድዩ ትሕቲ ፀሓይ ዘሎ ዋና ዘይብሉ ነገር የለን። ብቐጥታ ይኹን
ብተዘዋዋሪ ንኹሉ ዋና ኣለዎ። መእተዊኡን መውፅኡን ዝውስን በዓል ዋና። ናብ መዛራረቢ ዛዕባና እንትንመፅእ፥
በዓል ዋና ሰራዊት ትግራይ መን ‘ዩ? ንዝብል ሕቶ ብተደጋጋሚ ክለዓል ዝፀንሓ ሕቶ እንትኸውን፤ ከከም ወቕቱ
ካብ ስቕታ ጀሚሩ ወሃብቲ ምላሽ ዓቕሚ እናጥረዩ ብዝመፁ ልክዕ ድፍረት ዝተመልኦ ህጋዊ መሰረትን ድጋፍን
ዘይብሉ መልስታት ክህቡ ሰሚዕና ኢና። ንኣብነት፥
1. ገሊኡ ብዘይፍላጥ ብግርሃነት፣ ገሊኡ ድማ ብዓላማ ህዝቢ ንምድንጋር፥ ሰብ ዋናታት ሰራዊት ትግራይ -
መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ይኹኑ መራሕቲ ህወሓት እንታይ ዘምፅኦ ለውጢ ኣሎ? “ኣብ ጦርነት ኢና
ዘለና” እናተብሃለ ዝጋዋሕ ሓሳብ ‘ዩ። እቲ ሓቂ፥ “ኣብ ጦርነት ኢና ዘለና” ዝብል ኣባህላ ሌብነት ‘ዩ።
ኣብ ጦርነት ምኳና ሰብን ሰይጣንን ዝፈልጦ ሓቂ ‘ዩ። ነዚ ተባሂሉ ድማ ልዕሊ ሓደ ዓመት ረኢና ከም
ዘይረኣና ሰሚዕና ከም ዘሰማዕና ኾይና ሓሊፍናዮ ኢና። ትግራይ ሰላም ኣብ ዘለዎ ኩነታት ከም ዘየላ ኩልና
ንፈልጥ። ወለድና፣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ማእኸል ሓዊ ‘ዮም ዘለዉ። ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት፥
“ኣብ ጦርነት ኢና ዘለና” ዝብል ኣባህላ ዘጋውሓ ዘሎ ግን ካሊእ ዘይኮነ ገባሪ ሕማቕ ኢድ ብኢድ ክተሓዝ
ከሎ ሕማቕ ግብሩ ንምሽፋን፣ ህዝቢ ንምክፍፋል፣ ንኽፉእ ግብሩ ተሓላቒ ኮይኑ ደው ኢሉ ዝምጉት ኣካል
ማሕበረሰብ ንምፍጣር ዝግበር ሽርሒ ‘ዩ። ኣብ ጦርነት ምኻን ማለት ረብሓ ህዝብን ዓድን ምጭፍላቕ፣
ውልቃውን ውድባውን ረብሓታት ምቕዳም፣ ኣንፃር ረብሓታት ህዝቢ ደው ምባልን ምስጓምን! ማለት
ተዘይኮኑ ብመራሒቲ ህወሓት ዝፍፀሙ ዘለዉ ፖለቲካዊን ማሕበራውን ሽርሕታት “ኣብ ጦርነት ኢና ዘለና”
ተባሂሉ ዝሽፈንን ዝሕለፍን ኣይኮነን። ስለዚ፥ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ብስሕተት ይኹን ብድፍረት ሕማቕ
ግብሪ መሪሕነት ህወሓት “ኣብ ጦርነት ኢና ዘለና” ዝብል ሽፋን ብምሃብ ሞትን ዕንወት ህዝቢ ትግራይ
ንከንቱ ተዘይንገብሮ ይምከር።
2. “መራሕቲ ህወሓት ተመርሕዎስ እንታይ ችግር ኣለዎ? ንመንእሰይ ትግራይ ዘሰልጠኖ ንሳቶም ዶ ኣንኮኑን?”
ዝብል ብመዓር ዝተለውሰ መርዚ (መሰሪ ሓሳብ) ዝሸጡ ተረባሕቲ ናይቲ ውድብ ዝኾኑ ውልቀ-ሰባት ቁፅሮም
ውሑዳት ኣይኮነን። መጀመሪያ፥ መሰልጠንቲ ናይቲ ሰራዊት ኩላቶም ኣባላት መሪሕነት ህወሓት ኣይኮኑን፤
እዚ ምፍላጥ ድማ ኣዝዩ ኣድላዪ ‘ዩ። ካልኣይ፥ እቶም ኣባላት ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ዝኾነ ህወሓት ዝኾኑ
ሰባት ‘ውን ተኾኑ ከም ሰቦም ኣካል ናይቲ ቓልሲ ድኣምበር ሓለፋ ዘለዎምን ክህልዎም ዝኽእሉ ሰባት
ኣይኮኑን፤ ሕዚ ‘ውን እዚ ምፍላጥ ኣዝዩ ኣድላዪ ‘ዩ። ሳልሳይ፥ ነባር ተጋዳላይ ክበሃል ከሎ ኩሉ ኣጃሚልካ
ምስ ሓደ ናይ ፖለቲካ ዝኾነ ህወሓት ምትሕሓዝ (ክተሓሓዝ ምግባር) ኣካል ናይቲ ብመሪሕነት ህወሓት
ዝጋዋሕ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ምኻኑ ፈሊጥና ነፍስና ካብ መፃወዲያ ምሕላው ከድሊ ‘ዩ። ራብዓይ፥
ኣሰልጣኒ እየ ሞ ሓለፋ ይግበኣኒ ወይ ድማ በዓል ዋና ‘የ ዝብል ውልቀ-ሰብ ይኹን ውድብ ተሃልዩ፥
መንእሰይ ትግራይ ንኸሰልጥን ዘገደዶ ሓይሊ ከም ዘየለ ክነግሮ ይግባእ ድኣምበር ንሳቶም ኣቐዲሞም ናብ
ዝዘርግሕዎ መፃወዲያ እናዘለልና ብምእታው ብዝፈጥሩና ኣጀንዳ ሕድሕድና ምንቋር ኣየድልን። እቲ
ብደርብረፅዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ መሪሕነት ‘ውን ተኾነ ከምኡ ገይሩ ሰራዊት ትግራይ ንኽእዝዝ
ዝፈቐደሉ ኣካል የለን። በየናይ ስልጣንን ኣሰራርሓን ‘ዩ መራሕቲ ህወሓት ሰራዊት ትግራይ ንምእዛዝ
ዝበቕዑ? ሓድሽ ህዝቢ ዘይፈልጦ ዝፀሓፍዎ ሰነድ ሃልይዎም ዝብልዎ ነገር ተዘይኮይኑ ይትረፍ ህወሓት እቲ
ፓርትን መንግስትን፣ መግለፅን መርገፅን እናዋቐዐ (doublespeak) ኣብዚ ዝበፅሓ “መራሕነት ትግራይ
‘የ” ዝብል ኣካል ‘ውን ተኾነ ሰራዊት ትግራይ ናይ ምምራሕን ምእዛዝን ስልጣን የብሉን። ካበይ ዝመንጨወ
ስልጣን? እቶም ነቲ ሰራዊት ዝመርሕዎ ዘልው ሰባት ‘ውን ተኾኑ ኣካል ናይ ዝኮነ ይኹን “መንግስቲ”
ናይ ምኻን ገዴታ የብሎምን። ፍልይ ኣብ ዝበለ ኩነታት ኢና ዘለና ዝብል ኣባህላ፥ ንኹልና ዘስማዕመዐና
ኣባህላ ‘ዩ፤ እዚ ግን፥ ዘይናትካ ናትካ ንኽትገብር ፍቓድ ኣይህበካን። ኣይኮነንዶ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት
ኮይና ኣብ ናይ ሰላም ጊዜ ዝተማለኣ መምርሕን አሰራርሓን ሕግን ሥርዓትን ዘይብልና ሰባት ኢናሞ ሓላፍነት
ይሰመዐና።

3. መራሕቲ ህወሓት ሕዚ ነፍሲ ምስ ዘርኡ ክነግሩና ዝፍትኑ ዘለዉ ሓድሽ ድርሰት ዘይኮነ እቲ ሓቂ ካሊእ
‘ዩ። ሓድሽ ወለዶ መንእሰይ ትግራይ ቆፍኡ ከም ዝተነኽኣ ንህቢ በሪሩ ናብ በረኻታት ትግራይ ክኣትው
ከሎ ጥራሕ ዘይኮነ፥ ዝሓዘ ሒዙ፣ ብዝረኸቦ ኹሉ ክደራጀው ከሎ ነፍሶም ኣብ ምውፃእ ዝነበሩ መራሕቲ
ህወሓት ዝፈልጥዎ ተኣምር የለን። እዚ ሓድሽ ወለዶ መንእሰይ ትግራይ ተዘይበፅሓሎም ነይሩ ድማ መራሕቲ
ህወሓት ካብታ ዝኣተውዋ ጉድጓድ ኣይምወፅዋን። ኣብታ ዝኣተውዋ ጉድጓድ ኣብኣ በስቢሶም ምሞቱ
ነይሮም። ሰራዊት ትግራይ፥ በዚ መልክዑ ዝተጣየሸ ሰራዊት እናሃለወ ግን፥ ዘየለን ዘይነበረን መንግስትነት
ፈጢርካ “ሰራዊት ትግራይ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ‘ዩ” እናተብሃለ ዝንገር ፕሮፓጋንዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ
ዝፍፀም ክሕደት/ገበን ምኻኑ ፈሊጥና መሰሪ ስራሕ መራሕቲ ህወሓት ክነቃልዖን ክንቃወሞን ይግበኣና።
መንግስቲ ዝፀልእ ህዝቢ የለን። ዘየለ ነገር እናፈጠርካ ህዝቢ ምትላል ግን ሕዚ ‘ውን ገበን ‘ዩ። መን ዘጣየሾ
መንግስቲ? ኣበይ መዓዝ በየናይ መንግስታዊ ሕጊ ዝተጣየሸ መንግስቲ? ተጋሩ ንበይንና ናይ “መንግስቲ”
ትርጉም መሃዝቲ፤ ሓድሽ ናይ መንግስትነት ትርጉም ፀሓፍቲ ናይ ምኻን ድሌት ተዘይሃልዩና “መንግስቲ
ትግራይ” ክበሃል (status quo propaganda) እናተቐበልና ነፍስና ተዘይነታልል ይምከር። እቲ ሓቂ
ድማ፥ ብህይወት ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ኩነታት ብምፍጣሩ ሓድሽ ወለዶ መንእሰይ ትግራይ ንሃለዋቱን
ድሕንነቱን ንኽብሩን ንመንነቱን ድኣ ‘ዩ ናብ በረኻ ዘውፀኦ እምበር፥ “መንግስትና ናብ ቦትኡ ይመለሰልና”
ኢሉ ኣይኮነን። መን ‘ዩ ነፍሶም ንኸትርፉ ሓዲጎምዎ ንዝኸዱ ስልጣን ዝሞተ? በቲ ሰዓት ንሱስ ትግራዋይ
ንስልጣን ዝሕሰበሉ ሰዓት ስለ ዝነበረ ድዩ? ከምዚ ዝበለ መሰረት ዘይብሉ እምነትን ኣተሓሳስባን ባዕሉ
ክንፈጥሮ ንንደሊ ብሕጊ ዝተሃነፀ ማሕበረሰብ ዕንቅፋት ‘ዩ። ነገራት ንዓና ከም ዝሕሸናን ከም ዝጥዕመና
እናጠዋወና ምርኣይን ምትርጓምን ዘይኮነ ከም ዘለዎ ናይ ምርኣይ ፅፉፍ ስብእና ይሃልውና። ንፀገማትና
መፍትሒ ክንረኽበሎም ንኽእል ‘ውን እዚ ምስ ንገብር ‘ዩ።
4. “ሰራዊት ብመንግስቲ ክምራሕ ግድን ‘ዩ፣ ብዘይ መንግስቲ ሰራዊት ደው ክብል ኣይኽእልን” እናበሉ ኣብ
ዘይሞዮኦም ኣትዮም ኣፎም ዝፅይቑን ዝምጉቱን ኣይ ካብ ውትድርና ኣይ ካብ ናይ ፖለቲካ ትምህርቲ
ተኣሊሾም ዘይርከቡ፣ ከምዚ በሉ ተባሂሎም ዝንገሮም ቃል ተቐቢሎም ዝተብሃልዋ ቃል ብቃል ካብ
ምዝራብን ምጓሕን ሓሊፎም ዝንገሮም ናይ ምጥያቕን ምምዝዛን ዓቕሚ ትምህርትን ስልጣናን ዘይብሎም፣
በዓል ስልጣን ስልኪ ደዊሉ ክልእኾም ከሎ ዓለም ዝጨበጥዋ ዝመስሎም ሰባት ዘጋውህዎ ኣብ ጭብጢ
ዘይተመርኮዘ ፕሮፓጋንዳ ዩ። እቲ ሓቂ፥ እዞም ናይ ልምዲ ኣዋለድቲ ከም ዝብልዎ ዘይኮነ፥ ሰራዊት ሀገር
ቅድሚ ምፍጣራ ቀዲሙ ርእሱ ኽኢሉ ደው ናይ ምባል ዓቕሚ ዘለዎ ትካል ‘ዩ። ናይ ኣሜሪካ ታሪኽ
ሓዊሱ ናይ ብዙሓት ዝማዕበላ ሀገራት ዝነግረና ታሪኽ እዚ ‘ዩ። ካሊእ፥ ሓደ መንግስቲ ዝመርሖ ህዝቢ
ተሃልይዎ (ግድን ክህልዎ ‘ዩ) መንግስታዊ ጠለባቱን ረብሃታቱን ንምምላእ ዘኽእሎ ሰራዊት ግድን ከድልዮ
‘ዩ። እዚ ማለት ግን ሰራዊት ብዘይ መንግስቲ ደው ክብል ኣይኽእልን ማለት ኣይኮነን።
ብርግፅ፥ ሰራዊት ብሓደ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ዝውነን እንተ-ኾይኑ እቲ ሓደጋ ብቐሊሉ ዝግለፅ ዘይኮነስ ሀገር ብሀገራ
ፅላል ዘይብላ ውኽኒ-ቤት ከም ማለት ‘ዩ። ሰራዊት ዘለዎ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ወይ ድማ ብናይ ፖለቲካ ውድብ
ዝምራሕ ሰራዊት ማለት ሕፅር ብዝበለ ቋንቋ፥ ናይ ሞት መልእኽተኛ ማለት ‘ዩ። ኣብ ቅድሚኡ ዝፀንሖ ዘበለ ኹሉ
ብዘይ ምሕረት ዝቕርድድን ዝዐፅድን ናይ ሰብ ማዕፂድ ‘ዩ። እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፥ ብናይ ፖለቲካ ውድብ ዝምራሕ
ሰራዊት ወይ ድማ ሰራዊት ዘለዎ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ንኽህሉን ንኽፍጠርን ምፍቃድ ማለት፥ ኩሎም ዲሞክራሲያዊን
ሕጋዊን መብታትካ ብፍቓድካ ኣረኪብካ እሱር ምኳን ‘ዩ። ቅልል ብዝበለ ትግርኛ፥ ሰራዊት ትግራይ ንመራሕቲ
ህወሓት ኣሕሊፍካ እንተሂብካ ይትረፍ ተሓታትነት ዝበሃል ነገር ክህልው ተሪፉ ዓዲ ኣለኒ ከይትብል። ኣብ ከምዚ
ዝበለ ዓዲ መሰልይ ‘ዩ እትብሎ ነገር የለን፤ ኣይክህሉን ድማ። ክህልወካ ዝኽእል መሰል እቲ ውድብ ዝህበካ ጥራሕ
ይኸውን። ካብዚ ወፂኢ ከም ሰብ ትገብሮ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ መቓብርካ ፍሒርካ ዝግበር ይኸውን። ስለ ዝኾነ
ድማ፥ በዓል ዋና ሰራዊት ትግራይ መን ‘ዩ? ኢልካ ኣጥቢቕካ ምጥያቕን ፅፁይ ዝኾነ መልሲ ምርካብን ወሳኒ ‘ዩ።
ሕድሕድ ትግራዋይ ድማ ብመስዋዕቲ ደቁ፣ ኣሕዋቱን ኣሓቱን ከምኡ ድማ ብሀብቱን ብንብረቱን ናይ ዝተሃንፀ
ሰራዊት ኩነታት ጠይቑ መልሲ ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ። እዚ ማለት ግን፥ በዓል ዋና ሰራዊት ትግራይ ህዝቢ
ትግራይ! ምኻኑ ጠፍኢካ ማለት ዘይኮነ “ሰብ ዋናታት ኢና” ኢሎም ዝሓስቡ ኣካላት ቁርፆም ንኽፈልጡ ዝለዓል
ሕቶ ‘ዩ። ብምኳኑ ድማ፥
v ሰራዊት ትግራይ ናይ ፓርቲ ሰራዊት ኣይኮነን፤
v ሰራዊት ትግራይ ናይ ህወሓት ሰራዊት ኣይኮነን፤
v ሰራዊት ትግራይ ብውልቀ ሰባት ዝውነን ኩባንያ ኣይኮነን፤
v ሰራዊት ትግራይ ናይ ሓሙሽተ ወይ ናይ ዓሰርተ መራሕቲ ሰራዊት ንብረት ኣይኮነን፤
v ሰራዊት ትግራይ በዓል ዋና ዘይብሉ ዕስለ ‘ውን ኣይኮነን፤
v ሰራዊት ትግራይ “ናይ መንግስቲ ትግራይ” ‘ውን ኣይኮነን፤
v ሰራዊት ትግራይ ናይ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ! (ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ‘ናይ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ’ ዝብል ዝተለመደ
ህዝቢ ናይ ምድንጋር ባህሊ ከም ዘሎ ይፍለጥ፤ ምስዚ ንኽይተሓዋወሰና “ሰራዊት ትግራይ ናይ ህዝቢ
ትግራይ ‘ዩ” ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ከብርሆ ‘የ)።
እዚ ማለት ግን፥ ናይ ባይቶና፣ ናይ ህወሓት፣ ናይ ውናት፣ ቅድም ኢሉ ዝነበረ መንግስቲ ኣካል ዝነበሩ ሰበ
ስልጣናት፣ ነባር ተጋደልትን ወታደራዊ መራሕቲን ኣካል ናይዚ ሰራዊት ክኾኑ ኣይኽእሉን ማለት ግን ኣይኮነን።
ኣካል ናይዚ ሰራዊት ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም፤ ኩላቶም ድማ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ምኹስኻስ ማዕረ እጃም ዘለዎም
ኣካላት ‘ዮም። ሰራዊት ትግራይ ናይ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ! ክበሃል ክሎ ‘ውን ህዝቢ ብዝመረፆም ኣካላት ዝምራሕ
ስለ ዝኾነ፣ ህዝቢ ብድምፁ ብዝሾሞምን ብዘውርዶምን ሰባት ስለ ዝምራሕ ዘይኮነ እዚ ሰራዊት ትግራይ ተባሂሉ
ዝፍለጥ ሰራዊት ዝተጠየሸ ብናይ ዝኾነ ይኹን ኣካል ፍቓድን ምልዓልን ዘይኮነ፥ ኩሎም ኣካላት ኣብ ዝፈራረስሉን
ዝተበተኑልን ሓድሽ ወለዶ መንእሰይ ትግራይ ብፍቓዱ ዓሲሉ ህዝቢ ዝተኸሎ ተኽሊ ብምኻኑ ‘ዩ። ብዓቢይኡ ዘራኢ
ዘርኢ (ውልዱ መሪቑ ዝለኣኸ ህዝቢ) እናሃለወ ግን፥ መን ኣስትይዎ? መን ኮስኪስዎ? ተባሂሉ ዝለዓል ቁምነገር
ዘይብሉ ሕቶ ትርጉም የብሉን። ዘስተዮ - የስትዮ፣ ዝኾስኮሰ - ይኾስኩሶ ዋንነቱ ናይ በዓል ዘርኢ ‘ዩ።
ንጥቕምን ንስልጣንን ዝሓደረ ሕሱር ባህሪይ ካብ ደም መሪሕነት ትግራይ ተቐዲሑ ዘይፀሪ ኮይኑ ድኣምበር፥ ብልሹው
ፖለቲካ ትግራይ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ክልውጥ ዝኽእል ኣሰራርሓ፣ ክኸውን ዘለዎን ዝግብኦን ኣካይዳ ዝነበረ፥ እቲ
ሰራዊት ትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ናይ ሰራዊት ሓለቓ ካብ ዝኾነ ይኹን ውድባዊ ተፅዕኖን ኢድ ኣእታዊነትን ነፃ ኾይኑ
ዘሎ ኹነታት ዕልባ ንኽረክብ ብምግባር ኩለን ናይ ፖለቲካ ውድባት ናይ ፖለቲካ ፕሮግራማተን አፋሊጠን ብዝረኽብኦ
ድምፂ ሰዓራይ ውድብ መንግስቲ ንኽምስርት ብምግባር ሰራዊት ትግራይ ንመንግስቲ ትግራይ ኣረኪቡ ሃለዋትን
ድሕንነትን ትግራይ ንምሕላው ከም ሓደ ትካል ንኽቕፅል ምግባር ‘ዩ እቲ ክኸውን ዝግብኦ ዝነበረ። ብርግፅ፥
መራሕቲ ሰራዊት ትግራይን መራሕቲ ህወሓትን ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገጽ ‘ዮም። ናይዞም ክልተ ኣካላት
ሓድነት ድማ ጥቕሚ መሰረት ዝገበረ። እቶም መራሕቲ ሰራዊት ሀብቶምን ንብረቶምን ዝሕልወሎም ናይ ፖለቲካ
ፓርቲ ከድልዮም ‘ዩ ነዚ ድማ መራሕቲ ህወሓት ይመርፁ። መራሕቲ ህወሓት ብተመሳሳሊ መንገዲ ናይ ፖለቲካ
ስልጣኖም ንኽሕልውን ከደላድሉን ናይ ስለያ ይኹን ናይ ካሎት ተክኒካዊ ሓገዛት ክህቦም ዝኽእል፣ ሕቶ ዘልዓለ
ዘበለ ዝዓፅድ በዓል ጉልበት ከድልዮም ‘ዩ መራሕቲ ሰራዊት ኣለውሎም። እቲ ዝገርም፥ ሽም ጥራሕ ሒዞም ዝተረፉ
መራሕቲ ህወሓት ኣብ መግለፂታቶም ከይተረፈ ሰራዊት ትግራይ መሸቀጢ ክገብርዎ ከለዉ መራሕቲ ሰራዊት
ትግራይ ኣብ ክንዲ ንህዝቢ ትግራይን ነቲ ዝመርሕዎ ሰራዊትን ክብሪ ደው ምባል ተወሳኺ መራጎዲ ሓሳብ ክህቡን
ብዕሊ ንመራሕቲ ህወሃት ዘለዎም ልባዊ ድጋፍ ንምርኣይ ዝበቓዕና። ብምኻኑ ድማ፥ ናይ ትግራይ ፖለቲካ በዚ
መልክዑ ዝተኣሳሰረ ጥቕሚ መሰረት ዝገበረ ብምኻኑ ኣብዝሓ ህዝቢ እቲ ሓቂ ናይ ምፍላጥ ዕድሉ ኣዝዩ ፀቢብ ‘ዩ።
እዚ ግን ተስፋ ኣየቑርፀናን።
ኣብቲ ዝሓለፈ ብረታዊ ቓልሲ ነቲ ቓልሲ ዝመስረቱ ውልቀ-ሰባት ፕሮግራም ቀሪፆም፣ መቃለሲ ኣንፈት ኣነፂሮም
ዘሰለፍዎ ሰራዊት ብምኻኑ ብተለምዶ “ናይ ህወሓት ሰራዊት” ተባሂሉ ንኽፍለጥ ኮይኑ ‘ዩ። ነቲ ሰራዊት መሪሖም
ኣዲስ ኣበባ ክኣትዉ ከለዉ ‘ውን እቲ ሰልፊ ናይ ፓርቲ ኣሰራርሓ ሒዙ ብምምፅኡ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተዉ ጠያቒ
ስለ ዘይነበሮም ሰራዊት ትግራይ ብግፍዒ በቲነሞ ‘ዮም። እዚ ክገብሩ ስልጣን ነይርዎም ዶ? እቲ መልሲ ግልጽን
ሓጺርን ‘ዩ፥ መራሕቲ ህወሓት ዝገበርዎ ንኽገብሩ ስልጣን ኣይነበሮምን። ኮይኑ ግና፥ ባዕልኺ ምወፅኢት ደርፊ
ባዕልኺ መጥፊኢት ደርፊ ከም ዝበሃል ሕጊ ማለት እቲ ፓርቲ ስለ ዝነበረን ዝኾነን፣ ሀብትን ንበረት ህዝቢ ትግራይ
ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ብዝፃረር መልክዑ ንነፍሶም ብዝጥዕሞም ገፊዖሞን ኣፍሪሰሞን ‘ዮም። ሕዚ ‘ውን ይድገሙና
በሃልቲ ተዘይኮይና በዓል ዋና ሰራዊት ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። እዚ ማለት ድማ፥ ሰላም ይምፃእ ዕርቂ፥ ዕድል
ሰራዊት ትግራይ ዝውስኖ ብሽም ህዝቢ ምሽቃጥን ምልዋጥን ዝለመዱ ኣካላት ዘይኮነ ድሕሪ እዚ ኹሉ ጋዕገልጠም
ብዕሊ ዝጣየሽ ብህዝቢ ዝተመርፀ መንግስቲ ትግራይ (ብድምፀ ውሳነ) ጥራሕ ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል። ሓላፊ መንገዲ
ዘበለ ዝረግፆ ሓፁር ዘይብሉ መረባ ኾይነ ክነብር ‘የ ዝብል ህዝብን መንግስትን ተሃልዩ ድማ ሓቢርና ንርእዮ ነገር
ይኸውን።
ምብታን ሰራዊት ትግራይ ንምንታይ ኣድለየ? ሰራዊት ትግራይ ብምብታን ዝርባሕስ መን ‘ዩ?
መራሕቲ ሰራዊት ኮኑ መራሕቲ ህወሓት፥ ሰራዊት ናይ ምብታን ልምዲ ዘለዎም ሰባት ምስ ምኳኖም፥ ተበተንዎ
‘ውን ከም ቀደም፥ ባዕልኻ ትፈልጥ ኢሎም ንሰሙን ትኸውን ስንቂ ኣትሒዞም፣ ተበተን ኢሎም ኣይብትኑዎን።
መሪሕነት ትግራይ ሰራዊት ትግራይ ንኽብትን ተንቒሉ፥ ምኽንያታዊ፣ ሓባራዊ ስምምዓነት፣ ተኣማኒ ብዝመስል
መታለሊ ሓሳብ ወይ ድማ ኩነታት ብምፍጣርን ብምጥቃምን፣ ኣዝዩ መሰሪ ብዝኾነ ሽርሕን ተንኮልን ብዝተመልኦ
ስራሕ ‘ዩ። ናብ ዝርዝር ቅድሚ ምእታወይ ግን ሓደ ነገር ክብል። መሪሕነት ትግራይ ሰራዊት ትግራይ ክብትን ከሎ
ደስ እናበሎ ከም ዝብትኖ ክንጠራጠር የብልናን። ወታደራዊን ፖለቲካዊን መሪሕነት ትግራይ ናይ ማእኸል ዓዲ
ስልጣን ሒዙ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ሀብትን ንብረት ስለ ዘፍረየ፣ ውልቃዊን ውድባዊን ሀብቶምን ንብረቶምን ኣብ
አዲስ ኣበባ ዝተትሓዞም ሰባት ስለ ዝኾኑ ሀብቶምን ንብረቶምን ንኽምልሱ ምስ ኢትዮጵያ ምትዕራቕ ከድለዮም ‘ዩ።
ምስ ኢትዮጵያ ክዕረቑ ተኾይኖም ድማ እዚ እትፈልጥ ኢትዮጵያ ንተቕርቦ ጠለብ ክግዝኡ ግድን ‘ዩ። ናይ ኢትዮጵያ
ቀዳሚ ሕቶ ድማ ትግራዋይ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ምግባር ‘ዩ። ግደ መሪሕነት ትግራይ ብተመሳሳሊ ናይ ኢትዮጵያ
ጠለብ ተቐቢሉ ዓይኑ ሰለም ከየበለ ሰራዊት ትግራይ ምብታን ‘ዩ። እዚ ክግበር ከሎ ግን ብሓይልን ብጉልበትን
ዘይኮነ ዘመነ ዕብዳን ብምፍጣር ብሽም ሰላምን ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ንምሕላው ተባሂሉ ዝፍፀም ሸርሒ ይኸውን።
ካሊእ፥ ብሽም ምቁቋም ሰራዊት (ዳግመ ህንፀት ትግራይ) ብፍላይ ዲያስፖራ ትግራይ ንምዝራፍ ቴሌቶን ኣዘጋጅዩ
ዝፍፅሞ ቁሉዕ ዘረፋ ከም ዘሎ ኾይኑ፤ መሪሕነት ትግራይ ሰራዊት ትግራይ ክብትን እንተ-ኾይኑ ነዚ ዝኸውን ቁጠባዊ
ዓቕሚ ክረክብ ዝኽእል ካብ ካሊእ ዘይኮነ ካብ ኢትዮጵያ ‘ዩ። ድሌትን ዓላማን ኢትዮጵያ ድማ ሰራዊት ትግራይ
ዕጥቁ ንኽፈትሕ ምግባር ክሳብ ዝኾነ ሰዓት ተለቂሓ ድዩ ተመርቂሓ ክትገብሮ ‘ያ። ካብ ምዕራባውያን ሀገራት ዝርከብ
ሓገዝ ‘ውን ተኾነ እቲ ዝመፅእ ሓገዝ ምእንቲ ሰራዊት ትግራይ ተባሂሉ ዘይኮነ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዎም ብሄራዊ
ረብሓ ንምሕላው ኢትዮጵያ ብተቕርቦ ሕቶን ልመናን ዝከናውን ይኸውን። ሕዚ ‘ውን ተኾነ ግን ሰራዊት ትግራይ
ዕጥቁ ንኽፈትሕ ምውጋይ ፀረ ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ምኻኑ ምፍላጥ ኣድላዪ ‘ዩ። ሰራዊት ትግራይ ዕጥቂ ንኽፈትሕ
ናይ ምግባር ስራሕ መራሕቲ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ዓይንኻ ተዓመት ኢሎም ዝፍፅምዎ ተግባር ዘይኮነ ዓይንኻ
እናረኣኻ ክሰርሕዎ ዝኽእሉ ስራሕ ‘ዩ። እቲ ሕቶ፥ መራሕነት ህወሓት ዐይኒ ህዝቢ ትግራይ የዕዊሩ፣ ዕጥቂ ትግራዋይ
ብኸመይ መንገዲ ንኸፍትሖ ይዳሎ ኣሎ ዝብል ‘ዩ።
1. መራሕቲ ህወሓት ሰራዊት ትግራይ ቅድሚ ምብታኖም (እቲ ስምምዕነት ስም ተፈጠረን ምስ ተፈራረሙን)፥
ናይ መጀመሪያ ስርሖም ህዝቢ ትግራይ ልቡ ክሳብ ዝጠፍኦ ብናይ ሰላም መዝሙር ክዓብድ፣ ክድንቁርን
ክሰክርን ምግባር ‘ዩ። እዚ ድማ ምስቶም ቀተልትና ናይ ማእኸል ዓዲ ፖለቲከኛታት ሓቢሮም ብምምካር
እናተናበቡን እናተቐባበሉን ዝሰርሕዎ ስራሕ ስለ ዝኾነ “ህዝቢ-ንህዝቢ ፅልኢ የብሉን” እናተብሃለ መላእ
ህዝቢ ትግራይ ዳርጋ ኻልኣይ ዝተፈጠረ ዓይነት ስምዒት ንኽስመዖ ብምግባር ህዝቢ ኣዘናጊዖም ሓሳብ
ልቦም ተፈፃሚ ምግባር ‘ዩ። ብወገን ኢትዮጵያ፥ ከምታ ትግራዋይ ማለት “ካንሰር ‘ዩ፣ ሰይጣን ይሕሸና!”
እናበለት ፓስተርን ጳጳሳትን ኣሰለፋ ዘጥፈኣትና ብተመሳሳሊ መንገዲ፥ “ቀደሙ ሰይጣን ስሑት መዓልቲ
ኣውዒልና ድኣምበር ህዝቢ ትግራይ ፈታዊ ሰላም ዝኾነ ሓውና ‘ዩ! ተዋሊድናን ተዛሚድናን ኢና” ዝብል
ሓድሽ መደለሊ ጭርሖን ከበሮ እናደለቐትን እናጨረሓትን ልቢ ትግራዋይ ሸለው ክቶብሎ ‘ያ። ብፍላይ
እቲ ክሰክር ዝድለ ህዝቢ - ህዝቢ ትግራይ ስለ ዝኾነ ብፖለቲከኛታት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተፆምቀ
መደንዘዚ ስዋ ዝተልዓለ ህዝቢ ትግራይ ብዝግባእ ኣፀቢቖም ምሰስከርዎ ራሽያውያን “ማስኪሮቭካ”
(ትርጉም፥ ወታደራዊ ኣሽካዕላል/deception) ከም ዝብልዎ መሪሕነት ትግራይ ዝዝውሮም፥ ዓበይቲ ዓዲ፣
ምሁራን፣ ደረፍቲ፣ ፈለስቲ… ብኣጠቓላይ ናይቲ ስርዓት ተጠቀምቲ ዝኾኑ “ተፅዕኖ ፈጠርቲ” ዝበሃሉ፣
መሪሕነት ህወሓት ስራሕ የብልካን ኢሉ ተባሪርዎ ሓንቲ ለይቲ ዘይሓድር፣ ብዝሰፍርሉ ቀለብ ናብርኡ
ዝመርሕ፣ ርእሱ ኽኢሉ ደው ክብል ዘይኽል፣ ዐርሰ እምነት ዘይብሉ፣ ንርእሱ ካብ ድኽነት ዘይወፀ፥ ‘ናይ
ፖለቲካ ምሁር፣ ናይ ሕጊ መምህር፣ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ፣ ተንታኒ’ ዝብሉ ዝተፈላለዩ ኣስማት እናሃበን
እናለጠፈን ብምውፋር ብዝተበፀሓ ናይ ሰላም ስምምዕነት ሓጎሶም እናገለፁ ድሕሪ ገዲም “ብረትና ኣቕሚጥና
ናብ ልምዓት” እናበሉ (ሰራዊት ትግራይ ይበተን! ‘ዩ እቲ መልእኽቲ) ህዝቢ ናይ ምሽርሻር ስራሕ
ብምስራሕ ኣብ ስኻር ዘሎ ህዝቢ ብምዝንጋዕ ሰራዊት ትግራይ እቲ ሕዚ ዘለዎ ሰውነት ሒዙ ንኸይቕፅል
ናይ ምቡዋዝን ምሕቓቕን ስራሕ ይስራሕ። ኣብዚ ሰዓት እዚ ኣንጻራዊ ሓሳብ ዘሰጉም፣ ዝሙግት ኾነ ሕቶ
ዘልዕል ውልቀ-ሰብ ይኹን ካሊእ ኣካል ዝሰምዖ ስለ ዘይብሉ መሪሕነት ትግራይ ብሽም ሰላምን ዕርቅን
ምብታን ሰራዊት ትግራይ ኣመልኪቱ ብድፍረት መግለፂ ዝህበሉ ኣጋጣሚ ሰፊሕ ‘ዩ። ምብታን ክበሃል
ከሎ፥ ዓቕሚ ሰራዊት ትግራይ ምቕናስ፣ ዝተፈላለዩ መምኽኔይታ ብምድርዳር ናብ ፖሊስን ፍሉይ ሓይሊ
ዝብል አሰራርሓ ምውራድ ዝሓውስ ‘ዩ።
2. ካሊእ መታለሊ ሓሳብ ‘ውን ኣሎ። ካብ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” - ናብ “ሰራዊት ትግራይ”
ዝወረደ፥ ካብዚ ቐፂሉ ድማ ናብ “ፍሉይ ሓይሊ ትግራይ” ወይ ድማ “ትግራይ ፖሊስ” ዝወረደሉ ኩነታት
ክፍጠር ይኽእል ‘ዩ። ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይ መዚኖም፥ ኣብ ዝበፅሖ የብሉን፣ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅርና ‘ዩ
ኢሎም ተገምጊሞም መሪሕነት ትግራይ ናይ ማንም ምኽርን ድምፅን ምጥያቕን ምርካብን ከየድለዮ ብዕሊ፥
“ሓንቲ ሀገር ክልተ ሓይልታት ምክልኻል ሀገር ዝበሃል ሰራዊት ክህልው ስለ ዘይኽእል ሰራዊት ትግራይ
ሙሉእ ጥቕሙ ተሓልይሉ ናብቲ ስሩዕ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኽፅንበር ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ ኣሎ”
ኢሎም ብዕሊ መግለፂ ክህቡ ‘ውን ይኽእሉ ‘ዮም። እዚ ዝተበፀሓ ስምምዕነት ንትግራይ ኣዚዩ ጠቓሚ
ከም ዝኾነ ነዊሕ ሓተታን ገለፃን ብምሃብ ንህዝቢ ትግራይ ናይ እንኳዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ከለዉ
ይትረፍ ፈጣሪ ሰብ እንታይ ይብለና ከም ዘይብሉ ርጉፅ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብናይ ግዳማውያን ሓይልታት
ከይተረፈ ንኽበርስ ዝተገብረ ቅድሚ ሕዚ ብመንነቶም ተጋሩ ዝኾኑ ሰባት ኣብቲ ሰራዊት ስለ ዘይነበሩ
ድዮም? ተባሂሉ ንዝለዓል ሕቶ ግን መሪሕነት ትግራይ መልሲ የብሉን። እቲ ዋና ድሌት ኢትዮጵያ ኾነ
መራሕቲ ህወሓት፥ ትግራይ ከምቲ ልዕል ኢለ ዝሓበርክዎ ሰራዊት ትግራይ ዝበሃል ንኸይህልው ምግባር
ዝዓለመ ‘ዩ። እዚ ማለት፥ ናብቲ ሰራቒ፣ ቀታሊ ነፍስን ዓማፂ ደቂ ተነስትዮ ትግራይ ዝኾነ ኣመንዝራ
ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኽፅንበር ብምግባር ይኹን ናይ ፖሊስን ፍሉይ ሓይልን ቅርፂ ንኽሕዝ ብምግባር ካብዚ
ሓሊፉ ድማ ብኸፊል/ሙሉእ ብሙሉእ ምብታን ‘ዩ። እቲ ዋና ዓላማ፥ ሰራዊት ትግራይ እቲ ሕዚ ሒዝዎ
ዘለዎ ቅርፅን ሰውነትን ሒዙ ንኸይቅፅል ምግባር ‘ዩ። ልቢ ይበሉ፥ መሪሕነት ትግራይ እዚ ኹሉ ሽርሒ
ክፍፅም ከሎ (ሰራዊት ትግራይ ክብትን ከሎ) ብምፍርራሕ ዘይኮነ ብሽም ስምምዕነት (ሓበራዊ ምርድዳእ)፣
ዕርቅን ሰላምን ‘ዩ። ነስተውዕል፥ መራሒቲ ህወሓት ኮነ እቶም ኣባላት ህወሓት ዝኾኑ መራሕቲ ሰራዊት
ህዝቢ ኣብ ዝበፅሖ የብሉን ኢሎም ተኣሚኖም “ኣብ ስምምዕነት ስለ ዝበፅሓና” ኢሎም ‘ውን ዘይከግሩኻ
ይኽእሉ ‘ዮም። ሰላምን ዕርቂ ወሪዱ ‘ዩ ስለ ዝኾነ ድማ ድሕሪ ገዲም ሰራዊት ሒዝና ንቕፅለሉ ምኽንያት
ስለ ዘይብልና ‘መንግስቲ ትግራይ’ ሰራዊት ትግራይ ንምብታን ወሲኑ ኣሎ ኢሎም ቁርፅ ዝበለ መርድእ
ክነግሩኻ ‘ውን ይኽእሉ ‘ዮም። ኢትዮጵያ ድሕንነት ንኽስመዓ፣ ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝሕለው
ትግራይ ከም ሀገር ደው ክትብል ምግባር ተኾነውን፥ እዚ ግን ንዓና (ንመሪሕነት ህወሓት) ስለ ዘይጥዕመና
ምስ ኢትዮጵያ ንኽንፀንሕ ሰራዊት ትግራይ ንኽንብት ተሰማሚዕና ኣለና ኢሎም ንኽነግርዎ ዝፅበ ሰብ
ተሃልዩ ግን የዋህነት ‘ዩ።
3. ናይ ውትድርና ህይወት ከምቲ ሲቪል ናይ ወታደር መለዮ ተከዲኑ ሸማሕ ክብል ደስ ዝብሎ ቀሊል ነገር
ኣይኮነን። ካብ ውትድርና ወፃኢ ካሊእ ክኸውን ዘይኽል ሰብ ከም ዘሎ ኹሉ፥ ብኣንፃሩ ሰብ ኩሉ ወታደር
ክኸውን ኣይኽእልን። ናይ ምኻን ድሌት እንተሃለዎ ‘ውን ኣብዝሓ ሲቪል ዜጋ ውትድርና ዝሓቶ ተኽለ
ሰውነት፣ ናይ ሞራል ጥንካሬን ዓቕምን ዘማልእ ኣይኮነን። ኣይኮነንዶ ኣርባዕተን ሾመንተን ዓመታት ኣብ
ኣገልግሎት ክፀንሕ ኣትዩ ናይ መጀመሪያ 24 ሰዓት ናይ መጀመሪያ ሰሙን ክሓልፍ ዘይኽእ በርካታ ‘ዩ።
ኣብዝሓ ሓንቲ ‘ተርም’ አገልጊሉ ተሎ ካብ ሰራዊት ዝፍለ እንትኸውን ብቑፅሪ ውሑድ ይኹን ድኣምበር
ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ዝፀንሑ ሰባት ‘ውን ኣለዉ ‘ዮም። ዒስራ ሰላሳ ዓመት ኣብ ውትድርና
ዝፀንሕ ሰብ ኣዝዩ ውሑድ ‘ዩ። እዚ ክኾነሉ ናይ ባዕሉ ምኽንያት ኣለዎ። ሰራዊት ናይ ምብታን ልምዲ
ዘለዎ መሪሕነት ትግራይ ክጥቀሞም ካብ ዝኽእል ስልትታት ሓደ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ዝፍፀም ስልታዊ ናይ
ምሕደራ ወጽዓ ክጥቀስ ዝኽእል ‘ዩ። ኪድን ኣይትበሎ፥ ከም ዝኸድን ግበሮ! ከም ዝበሃል ኣዝዩ ረቂቕ
ብዝኾነ ምሕደራዊ አሰራርሓ፥ መንእሰይ ትግራይ ካብ ውትድርና ነፃ ኾይኑ ዝሓድረላ ለይቲ ንኽናፍቕ
ብምግባር፥ ከይወዓለ ከይሓደረ ካብ ሰራዊት ናይ ምስንባት ድሌት ምሰሕደረ ድማ፥ ናይ ስንብት ሕቶ
ከቕርብ ከሎ ከም ቀብሪ ድኻ ኣፃዲፍካ ብምስንባት ሰራዊት ትግራይ ንኽመናመንን ክለምስን ብምግባር
ንስግኣት ፖለቲከኛታት ኢትዮጵያ ውሕስና ምሃብ ‘ዩ። እቲ ኻሊእ፥ “ዕርቅን ሰላም ወሪዱ ሎ! ህዝቢ
ትግራይ እንኳዕ ሓጎሰና!” ዝብል ምፀታዊ ድምፂ መራሕቲ ሰራዊት ትግራይን መራሕቲ ህወሓትን ናይ
መጀመሪያ ዒላምኡ ሰራዊት ትግራይ እንትኸውን ዓላማ ናይዚ ጎይላን ዳንኬራን ድማ ሰራዊት ትግራይ
“ሰላም ወሪዱ ሎ!” ኢሉ ብፍቓዱ ዕጥቁ ንኸፍትሕን እናተፃደፈ ዓዱ ንኽኣትው ምግባር ‘ዩ። ብርግፅ
እዚ ኸምዚ ዝበለ ስልቲ (ስልታዊ ምሕደራዊ ወፅዓ) ናይ ባዕሉ ሓደጋ ከኸትል ዝኽእል ኣሰራርሓ ‘ዩ።
ይኹን ድኣምበር ሰራዊት ናይ ምብታን ልምዲ ዘለዎ መሪሕነት ህወሓት ነዚ ስዒቡ ክፍጠር ዝኽእል ሁከትን
ዕግርግን ዘትርፈሉ መንገድታት ተግባራዊ ክገብሩ ‘ዮም። መሪሕነት ህወሓት ክገብሮምን ክፍፅሞምን ካብ
ዝኽእሉ ሽርሕታት ሓደ፥ ሓድሽ ወለዶ ሰራዊት ትግራይ ንኽከፋፈል ምግባርን ንሕድሕዱ ምፍጣጥ ‘ዩ።
እዚ ማለት፥ መንእሰይ ትግራይ ሓደ ኾይኑ ነቲ መሪሕነት ንኸይቃለሶ ዝተወሰኑ መናእሰያት ተጠቀምቲ
ናይቲ ስርዓት ንክኾኑ ብምግባር፥ ማለት ‘ውን ሓላፊነት (ስልጣን) ብምሃብ ኣካል ናይዚ ሰራዊት ናይ
ምብታን ፕሮጀክት ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቶምን መቃልስቶምን ንኽለዓሉ ብምግባር ነንባዕሎም ኣናኺሱ
እቲ ዝቃወም ሓይሊ ጉልበት ንኸይህልዎ ብምግባር ብተናፀል ከጥቀዖም ይኽእል ‘ዩ። እዚ መሪሕነት
ህወሓት ሰራዊት ትግራይ ንምድኻም ክጥቀሞም ካብ ዝኽእሉ ሸርሕታት ክጥቀስ ዝኽእል ዝተለመደ ኣፈፃፅማ
‘ዩ።
4. ካብ ሰራዊት ተፈልዮም ናይ ስቪል ህይወት ናይ ምምራሕ ድልየት ንዘለዎ ኣባላት ሰራዊት ተባሂሉ ብዝዳለው
ናይ መበረታትዒ ፓኬጅ ምኽንያት ብመላ ሰራዊት ትግራይ ናይ ምድኻምን ምብታትንን ሽርሒ።
መበረታትዒ ፓኬጃት መን ይፀልእ? ንሰማዒኡ ጥዑም ተዛራቢኡ ‘ውን እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ክትንትኖ
ኸሎ ዘሕፍር ኣይኮነን። ዓላማ ናይቲ ፓኬጅ ግን ረብሓት ህዝቢ ትግራይ ዝሕልው ዘይኮነ ጠቕሊሉ ናብ
ጉድጓድ ዘእትው ‘ዩ። ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝረኣናዮ እዚ ዓይነቱ መታለሊ ስልቲ እቲ ሽም ጥራሕ ሒዙ
ዝተረፈ ፖለቲካዊ ክንፊ መሪሕነት ህወሃት ንበይኑ ዝሰርሖ ስራሕ ዘይኮነ ምስቶም ወረርትናን ቀተልትናን
ሰበ ስልጣናት ኢትዮጵያን ካልኦት ኣብ ኢትዮጵያ ብሔራዊ ረብሓ ዘለዎም ሓያላት ሀገራትን መንግስታትን
ብሽም ሰላምን ምሕላው ፀጥታ ተባሂሉ ብሓበራ ተመኺሩ ዝጋገር ናይ መከራ እንጀራ ‘ዩ። ስብሓት ነጋ
ኣብ ጊዜ ብረታዊ ቓልሲ ውድብ ህወሃት ምስ ደርጊ ዝነበሮ ርክብ እንታይ ይመስል ከም ዝነበረ ክገልፅ
ከሎ ኣፉ መሊኡ፥ “ምስ ደርጊ ሓቢርና ንንግድ ኔርና ኢና ናይ ዶላር ሕፅረት ስለ ዝነበሮ ዶላር ንህቦ
ኔርና” ከም ዝበሎ ምስ ደርጊ ዝንግድ ዝነበረ መሪሕነት ሎሚ ‘ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ምስ ኢትዮጵያ
ሓቢሩ ዘይመኽረሉ ምኽንያት ኣይክህሉን።
5. ትሸዓተ ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ከም ቆፅሊ ዘርገፈ መራሒ ሲቬት ሕብረት ነበር ጆሴፍ ስታሊን ናይ መረፃ
ኣዙሪት ኣመልኪቱ፥ “መረፃ መን መረፀ፣ ብከመይ መልክዑ ተኻየደ፣ ዘይኮነ እቲ ቑምነገር እቲ ወሳኒ ነገር
እቲ ነቲ ድምፂ ዝቖፅር ‘ዩ” ከም ዝበሎ፥ እቲ ሽም ጥራሕ ሒዙ ዝተረፈ መሪሕነት ህወሓት ብፍላይ እታ
ክንገብራ ኢና ዝበልዋ ‘ሪፈረንደም’ ገይሮም ከምቲ ዝለመድዎ ናይ ህዝቢ ትግራይ ድምፂ ዓፊኖም ምስ
ኢትዮጵያ ንኽንፀንሕ ተገይሮም (ዝኸውን ‘ውን እዚ ‘ዩ) ሰራዊት ትግራይ ምብታን ንመሪሒነት ትግራይ
እቲ ዝቐለለ ነገር ‘ዩ። ድሕሪ እዚ፥ ምብታን ሰራዊት ትግራይ መዘራረቢ ዛዕባ ዝኾነሉ ምኽንያት ‘ውን
ኣይክህልውን። “ሓደ ሀገር ኢና ስለዚ ንበይንና ሰራዊት ሒዝና ንቕፅለሉ ምኽንያት የለን፣ ሕገ መንግስቲ
ሀገርና ‘ውን ኣይፈቕደልናን፣ ንበይንና ሕጊ ካብ ዝፈቕዶ ወፃኢ ክንከውን ኣይንኽእልን፣ ሰራዊት ዘድለየና
ምኽንያት/ፀገም ነይሩ ሕዚ እቲ ፀገም ድሕሪ ምፍታ ግን ሰራዊት ሒዝና ንቕፅለሉ ምኽንያት የብልናን
ንዓና…” ዝብሉ መምኽኔታ ብምድርዳር ዝሃበካ ንኽትቅበል ከገድደካ ‘ዩ። ምብታን ሰራዊት ትግራይ
ብጭብጥን ብመርትዖን ንዝቃወሞም ትግራዋይ ኩሉ ድማ ተገልቢጦም ‘ምትኳስ ዘይኮነ ልማት ‘ዩ ዘድለየና፣
ዘድልየና ብረት ዘይኮነ ጭኳሮ ‘ዩ’ እናበሉ ንእዝኒ ዝጥዕም ናይ ሕጫጨ ዘረባ እናተዛረቡ ተጋሩ ኣብ
ምሽምቓቕ ክዋፈሩ ‘ዮም። ክንገልጦ ዘለና፥ ሪፈረንደም ተገበረ ኣይተገበረ ዘምፅኦ ለውጢ ከምዘየለ ‘ዩ።
“ሪፈረንደም ክንገብር ኢና” ዝተብሃለሉ ምኽንያት እንታይ ድዩ? ካብቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለዉ
ሓሙሽተ ናይ ፖለቲካ ፓርትታት ሓደ ዝኾነ ውድብ ህወሓት ምስ ኢትዮጵያ ይሕሸኒ! ስለ ዝበለ ‘ዩ።
ካሊእ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ምስ ኢትዮጵያ ይሕሸኒ ዝበለ የለን። መሪሕነት ሕወሓትን ካድረታቱን ምስ
ኢትዮጵያ ስለ ዝመረፁ ግን እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኣፈላላይ ብሪፈረንደም ንኽፍታሕ መሪሕነት ህወሓት
“ሪፈረንደም ክነካይድ ኢና” ኢሎምና። እዚ ተዘይከውን ነይሩ ሪፈረንደም ዘብለና ነገር ኣይምሃለወን።
እቶም ኣርባዕተ ኣማራፂ ውድባት ሀገር ምኻን መሪፀን መራሕቲ ህወሃት ብኣንፃሩ እዚ ብምቁዋም ምስ
ኢትዮጵያ ብምምራፆም ዝተፈጠረ ኣፈላላይ ብሪፈረንደም ንኽፍታሕ መራሕቲ ህወሓት ንበይኖም ወሲኖም።
መራሕቲ ህወሓት ብትግርኛ ዝሃብዎ መግለፂ ብትግርኛ ተተርጒምናዩ ትሕዝቶ ናይቲ መግለፂ እዚ ‘ዩ።
እቲ ክግበር ‘ዩ ዝተብሃለሉ ሪፈረንደም፥ ከም ኣባህላ መራሕቲ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ መፃኢ ዕድል ትግራይ
ንኽውስን ‘ዩ። እዚ ማለት፥ ንፅናሕ ወይስ ንኽድ? ኢሉ ንኽመርፅ ‘ዩ። ሕዚ ዘሎ ዕዳጋ ግን፥ ናይ ምፅናሕን
ናይ ምኻድን ዘይኮነ ምኻድ ዝብልዎ ፋይሉ ብቕልፅም መራሕቲ ህወሓት ተዓፅዩ፤ ምስ ኢትዮጵያ ይሕሸና
ተባሂሉ ተወዲኡ ሰራዊት ትግራይ ንምብታን ምስ ኢትዮጵያ ዘተ ዝግበረሉ ምዕራፍ ኢና ዘለና። መሪሕነት
ህወሓት እንደ ገና ሓሳቡ ተዘይቀይሩ፥ ሪፈረንደም ተገብረ ኣይተግበረ እቲ ውፅኢት ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ
ኾይና ክትቅፅል ‘ያ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ደስ ንኽብሎ ኢሎም ናይ ሓሶት ሪፈረንደም ተገብረሩ እኻ መራሕቲ
ህወሓት ናይ ምርጫ ሻንጣ ብምግልባጥን ብምስራቕ ዝመዐራረዮም ውዳበ የለን። ኣነ ዝብሎ፥ መራሕቲ
ህወሓት ሰሪሖም ዝወድእዎ ፊልሚ ሒዞም መፅዮም ህዝቢ ትግራይ መርቐልና ኢሎም ቅድሚ ዝሰቕሉ፣
ካልኣይ ሞት ቅድሚ ሙሟትና ድምፅና ነስምዕ! ባሃላይ ‘የ። ትግራዋይ ሰራዊቱ በቲኑ ደድሕሪ ኢትዮጵያ
ንኽጎይ ኣይሞተን፤ ስለዚ ዕጥቅና ኣይንፈትሕን! ጥራሕ ዘይኮነ መፃኢ ዕድልና መራሕቲ ህወሓት
ኣይውስኑልናን! ኢልና ኣንፃር ረብሓና ዝተሰለፈ ዝኾነ ይኹን ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ሓይሊ ፈፂምና
ክንቃለሶ ይግባእ።
ብዝተረፈ፥ መራሕቲ ህወሓት ሰራዊት ትግራይ ካብ ምብታን ዓዲ ኣይውዕሉን። እዚ ዝግበርሉ ምኽንያት ድማ ህዝቢ
ትግራይ ምጥያቕ ከየድለዮም ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኾይና ንኽጥቅፅል ስለ ዝወሰኑ ‘ዩ። ሰራዊት ትግራይ ብምብታን
ዝርባሕ መን ‘ዩ? ተባሂሉ ንዝተልዓለ ካልኣይ ሕቶ ግልፂ ዝኾነ መልሲ ንመሃብ ዝኣክል ግን፥ ፈተና ፀላእና፥ ሰራዊት
ትግራይ ብምብታን ዝርባሕ ኣካል፥ ወዱን ጓሉን ከም ማሕሲእን ምራኽን ዝገበረ፣ ሀብቱን ንብረቱን ዝተዘርፈን
ዝሰኣነን ህዝቢ ትግራይ ወይ ድማ ንሃለዋቱን ድሕንነቱን ንኽብሩን ንመንነቱን ዝተዋደቐ ሰራዊት ትግራይ ዘይኮነ፥
ሰራዊት ትግራይ ብምብታን ዝርባሕ፥ ቅድም ቀዳድም ኢትዮጵያ ቀፂሉ ድማ ደገፍቲ ህወሓት ዝኾኑ መራሕቲ
ሰራዊትናን መራሕቲ ህወሓትን ጥራሕ ‘ዮም። ኢትዮጵያውያን ኮኑ ኤርትራውያን ወዮ ድኣ ኣይከኣለትሉን ድኣምበር፥
ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ፈፂሙ ንኽመናመንን ህልውና ንኸይነብሮ ንምግባር እቲ ዝቐለለ መንገዲ ዝነበረ ኣብ
ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወረራ ምፍፃም ዘይኮነ፥ በቲ ቅድም ኢሉ ምስ ኢትዮጵያ ዝተበፅሓ ስምምዕነት መሰረት
ንትግራይ ናብዚ ኹሉ ሓዊ ዘእተወ ናይ ፊውዳል ኦሊጋርኪ ኣቦ ጎይላ ንስብሓት ነጋ ብምግዳፍ ናይ ስብሓት ነጋ
ስርወ መንግስቲ ተበዝሓ ንዒስራን ሓሙሽተን ዓመት ትግራይ ንክገዝእ ብምፍቃድ ውፅኢቱ ንምርኣይ ተዝፅበዩ
ነይሮም ንሳቶም ኣብ ምኢቲ ዓመት ከመዝግብዎ ዘይኽእሉ ውፅኢት ምረኣዩ ነይሮም። ምኽንያቱ፥ ስብሓትን ስብሓት
ዝዝውሮ ናይ ፖለቲካ ውድብ ህወሓት ብሽም ህዝብን ሰማዕታት ትግራይን እናመሓሉ እናጠሓሉ ህዝቢ ትግራይ ከም
ዕሸል ድምፂ ከየስመዓ ንኽህርስ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘልዎም ስለ ዝኾኑ ‘ዩ።
መዛዘሚ ሓሳብ
ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ዝፈትሓሉ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ? ኢሉ ንዝሓትት፥ ዕርቅን ሰላም ስለ ዝወደረ ዝብል መልሲ
ናይ መጀመሪያ ክንሰምዖ እንኽእል መልሲ ‘ዩ። ዕጥቅናስ ፈታሕና ዋሕስና ኸ እንታይ ‘ዩ? ተባሂሉ ንዝለዓል ጥያቄ
ግን ምላሽ የብሉን። ምናልባት ‘ውን ናይ እምነት ፀወታ ዝመፅእ ኣብዚ ‘ዩ። ኢትዮጵያ፥ ንህዝቢ ትግራይ ምስ ዕጥቁ
ክትኣምኖ ተዘይኪኢላ ንሕና ንኢትዮጵያ ኣሚና ዕጥቅና ንፈትሓሉ ምኽንያት ድኣ እንታይ ‘ዩ? ዝብል ምስዓቡ
ኣይተርፍን፤ ሕዚ ‘ውን ምናልባት ናይ ሕጊ ካርታ ክምዘዝ ይኸውን። ሕጊ? መን ዝፀሓፎ ሕጊ? ህዝቢ ትግራይ
ኢትዮጵያ ብዝፀሓፈቶ፣ ኣንፃር ረብሕኡ ብዝኾነ ሕጊ ተገዛኢ ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ? እቲ ሕዚ ዘሎ ሕጊ
ስለ ዘይነበረ ድዩ ብዕስለ ሰራዊት ጎረባብቲ ሀገራት ከተረፉ ዝተወረርናን ዝፀነትናን? ሕጊ ኣብ ስምምዕነት ዝተመርኮዘ
ሰብ ዝፅሕፎ ድኣምበር ካብ ሰማይ ዝወረደ መንግስታዊ ሕጊ የለን፥ ስለ ዝኾነ ድማ ንኹልና ዝዳኒ ሓድሽ ሕጊ
ዘይንፅሕፈሉ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ? ኢልና ምስ ንጥይቕ ድማ ምናልባት ካብ ኢትዮጵያ እንረኽቦ ምላሽ ከምቲ
ቅድሚ ሕዚ ኣደነች አበቤ ዝበለቶ “ተደሊኹም ርእስኹም ከኣሉ” ዝብል ‘ዩ።
ጎበዝ፥ እንታይ ኢና ንገብር ዘለና? ርእስና ኽኢልና ደው ናይ ምባል ድሌት ተዘይሃልዩና፥ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ
ምፍታሕ ሓዊሱ ኢትዮጵያ ዝሓተተቶ፣ ግበሩ ዝተብሃልናዮ ንምግባር ክንግደድ ኢና። መራሕቲ ህወሓት ድማ እዚ
‘ዮም ዝገብሩ ዘለዉ። መራሕቲ ህወሓት ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝሕልው ስራሕ ናይ ምስራሕ ድሌት የብሎምን።
ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ክልተን ሰለስተን ተጋሩ ኣራት ኪሎ ቤተ መንግስቲ ክቕመጡ ምግባር ዘይኮነ፥ ረብሓ ህዝቢ
ትግራይ ቅድም ቀዳድም ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ምርግጋፅ ‘ዩ። እዚ ማለት ድማ፥ ጊዜያዊ ዝኾነ ጦርነት
ምስዓር ማለት ዘይኮነ ከም ህዝቢ ሉዓላዊነትና፣ ዐርሰ ምሕደራና፣ ባህልናን መንነትናን ዓቒብና እንነብረሉ ባይታ
ብዘላቒነት ውሑስ ምግባር ‘ዩ። ኣጀንዳ መራሕቲ ህወሓት ብኣንፃሩ፥ ስልጣኖም፣ ውልቃውን ውድባዊ ረብሓኦም
ዝሕልውሉን ብዝበለፀ ተረባሕቲ ዝኾኑሉ ባይታ ምምችቻው ‘ዮ። እዚ ተዘይከውን ነይሩ መርገፅን መግለፅን እናዋቕዑ
ህዝቢ ኣብ ምትላል ካብ ዝፅመዱ ከም ሓደ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ መራሕቲ ህወሓት መርገፂኦም ብዕሊ ኣፍሊጦም
ቆሪፆም ፖለቲካዊ ቃልሲ ምተቓለሱ ነይሮም።
ዕጥቁ ዝፈትሕ ሓይሊ፥ ዝተስዓረ፣ መኸዲ/መማረፂ ዘይብሉ፣ ንእሽተይ ሓይሊ ጥራሕ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ መማረፂ
ዘይብሉ ህዝቢ ኣይኮነን። ዕጥቂ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ንኢትዮጵያ ስግኣት ዝኸውን እንተ-ኾይኑ፣ ኢትዮጵያ ኣብ
ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እምነት ዘይብላ እንተ-ኾይና፥ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ገዲም ንኢትዮጵያ ዝኣምነሉ ምኽንያት
እንታይ ‘ዩ? እቲ ፀገም፥ ኢትዮጵያ ተገልቢጣ ህዝቢ ትግራይ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ተቕርቦ ሕቶ ዘይኮነ ነዚ ተቐቢሉ
ዝትግብር ሰራዊት ትግራይ ናይ ምምራሕ ኾነ ናይ ምብታን ስልጣን ዘይብሉ መሪሕነት ህወሓት ‘ዩ። ኢትዮጵያ ኣብ
ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀመቶ ገበን ተራ ገበን ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ተገይሩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ
ግዳማዊ መንግስቲ ዓዲማ ዝጨፍጨፈትናን ዘብረሰትናን ኣመንዝራ ሀገር ‘ያ። ናይ ወታደር ቁመና ዘይብሉ፣ ስርዓት
ኣልባ፣ ሰራቒ፣ ዓማፂ፣ ቀታሊ ነፍሲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብዓይብይዩ እናሃለወ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ዝፈትሓሉ
ምኽንያት ድማ ዕብደት ‘ዩ። እዚ እናፈለጠ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ዝመዓራረ መሪሕነት ትግራይ ግን
ኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝተሰለፈ ፀረ-ህዝቢ ጥራሕ ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል። ዕርቂ ኾነ ሰላም ሰራዊት ትግራይ
ዕጥቁ ንኽፈትሕ ምኽንያት ክኸውን ኣይኽእልን። ዕጥቂ ዘይምፍታሕ ብተመሳሳሊ ዕርቅን ሰላምን ምፅራር ማለት
ኣይኮነን። ጥልመትን ክሕደትን ዝመለለይኣ ኢትዮጵያ ምንም እኳ ንስዓራ ድኣምበር በቲ ዝለመደቶ ናይ ሓሶት
መረባታ ንትግራይ ከም ዝሰዓረት ክተረጋግፅ እትደሊ ግን ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ንኽፈትሕ ብምግባር ‘ዩ።
ኣብ መወዳእታ፥ “ኣብ ጦርነት ኢና ዘለና” እናተብሃለ፣ ብሽፋን ጦርነት ኩሎም ፖለቲካዊ ውሳነታት ሽም ጥራሕ
ሒዞም ብዝተረፉ ብመራሕቲ ህወሃት ንኽከናወኑ ምፍቃድ ብገዛ ፍቓድካ ትግራይ ንኢትዮጵያ ምርካብ ‘ዩ። ብሽም
“ኣብ ጦርነት ኢና ዘለና” ኣፍካ ሎጊምካ ተመልካቲ ምኻን ተመሪፅካ ካብ ጦርነት ዝወፃኻ ዕለት ህልውና ትግራይን
ህዝቢ ትግራይን ኣብ ኢድ መራሕቲ ህወሓትን ኢትዮጵያን ‘ዩ። ንምንታይ? መራሕቲ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ ሰዓት
ግበር ዝተብሃሎ ካብ ምግባር ሓሊፉ ንረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ደው ከብል ዘኽእል ዓቕሚ ዘለዎ ናይ
ፖለቲካ ፓርቲ ስለ ዘይኮነ። እዚ ሓደራ ህዝብን ሰማዕታት ትግራይን ምውሓጥን ምብላዕን ዝለመደ መሪሕነት፥
“ኣይ-ጊዚኡን” እናበሉ ህዝቢ ዘደናግሩ ኮራኹር ተረባሕቲ ናይ ስርዓት ብምውፋር፥ “ኣብ ጦርነት ኢና ዘለና”
ብዝብል ሽፋን ሰብ ድርሻ ኣካላት ትግራይ ካብ ፖለቲካዊ ውሳኔታት ትግራይ ንኽርሕቑን ንኽግለሉን ብምግባር
ዝስራሕ ስራ ኹሉ ኣንፃር ረብሓ ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ምኻኑ ፈሊጥና ኣንፃር ረብሓና ዝተሰለፈ ሽርሕን ተንኮልን
መራሕቲ ህወሓት ብህፁፅ ደው ክነብሎ ይግባእ። መሪሕነት ህወሓት ፖለቲካዊ ፀገም ዝፈጠሮ ጦርነት ብዝርርብን
ምይይጥን ፖለቲካዊ ፍታሕ ስለ ዝገበርናሉ ፀገምና ፈቲሕና ኣለና! ባህልቲ እንተ ኾይኖም ድማ፥ ናብ ፀገም ዘእተወና
መሪሕነት ህወሓት ማዕረ ብሕጊ ተሓታቲ ክኸውን ይግባእ። ተዘይኮኑ ግን ዝሞተ ሞይቱ ኣሎ፥ ውሉዳ ዝሞታ ወላዳት
ነፀላኣ ገልቢጣ ስለ ውልዳ ክትሓዝን ‘ያ፣ እቲ ብሞት መናእሰያት ትግራይ ዝጣላዕ ረብሓታቱ ሓልዩ ስልጣን ሒዙ
ዝቕፅል ድማ ክቕፅል ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን፥ ስፍርን ቁፅርን ዘይብሉ መንእሰይ ትግራይ ዝተሰወኣሉ ዓላማ ዕጥቅና ፈቲሕና
ደድሕሪ ኢትዮጵያ ንኽንጎይይ ተኾይኑ ዐገብ ‘ዩ።

You might also like