Professional Documents
Culture Documents
4, ናይ ነፍስና ቤዛ
እዚ ምብዛይ እዚ ከም እሱራትን ከም ድኻታትን ብገንዘብ ክፍፀም
ዝኽእል ኣይኮነን።
ባዕልኻ ተተካኢ ብምግባር ዝፍፀም ናይ መተካእታ ምብዛይ ስለዝኾነ
መተካእታ {ለውጢ} ይበሃል።
ማ.ቴ 16፡26፦ ሰብ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ?
ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛና ኢዩ።
ሰብ ኣብዚ ዓለም ዝርከብ ኩሉ ተገዘኣ ‘ኳ፣ንነፍሱ ቤዛ ምሃብ ኣይኽእልን።
ንሰብ ቤዛ ንሙኳን ህይወት ጥራሕ እኹል ኣይነበረን ፣ ንኹሉ ህይወት ቤዛ ዝኾንን ብናይ ባዕሉ
ሓጢያት ዘይጥየቕን ንፁህ ቤዛ ምርካብ ግድን ነይሩ።
እዚ መለክዒ ከማልእ ዝኽእል ፍጡር ስለዘየለ ድማ እ/ር ንወዱ ቤዛ ገይሩ ለኣኾ።
ሐዚ ንዝኣምን ኩሉ ዝኾነ ናይ ቤዛነት ስርዓት እዚ እዩ፣ ብርሃነ ዓለም ጳዉሎስ እዚ እንትገልፅ
ከምዚ ይብል፦
ሮ.ም 3፡23-24፦ኩሎም እቶም ዝኣምኑ፣ኣብ ቅድሚ እ/ር ዝፀድቁ፣ብኢየሱስ ክርስቶስ
ብምእማን እዩ፣ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን።ኩሎም በዲሎም እዮም፣ክብሪ እ/ር ከዓ ጎዲሉዎም
እዩ።ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፣ብኸምኡ ብፀግኡ ይፀድቁ እዮም እሞ። ብምባል
ቤዛነት ናይ እ/ር ፅድቂ ንደቂ ሰባት ብእምነት ዝተውሃበሉ ናይ እ/ር ፀጋ ሙኻኑ
የመልክተና።
ሰብ ዝደሓነ ከመይ እዩ?
እስካብ ሐዚ ንሰብ ባዕሉ ኾነ ካልኦት ኣካላት ንሰብ ከድሕንዎ ከምዘይከኣሉ ተመልኪትና
ኢና፣ሐዚ ድማ ስለ’ቲ ዓለም ንምድሓን ደሙ ዘፍሰሰልና ህያው ኣምላክና መድሓኒትና
‘ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምድሓን ስራሕን’ ‘ንምንታይ ከምዝደሓናን’ ክንምልከት ኢና።
ክርስቶስ ከመይ ኣድሒኑና?
ሮ.ሜ 5፡10፦ንሕና ፀላእቱ እተለና፣ምስ እ/ር ብሞት ወዱ ተዓረቐና።
ቆ.ላ 1፡21፦ቀደም ካብ እ/ር ዝረሓቕኩም፣ብሓሳብኩምን፣ብኽፋእ ግብርኹምን፣ፀላእቱ
ነበርኩም።ንሱ ግና ነውርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፣ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ
ከቑመኩም፣ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ተዓረቐኩም።
1ጴ.ጥ 2፡24 ፦ ንሓጢኣት ሞይትና ንፅድቂ ምእንቲ ክነብር፣ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ
መስቀል ዝተሰቐለ ሰብነቱ ፆሮ፣ብቑስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ ከርተት ትብሉ
ኔርኩም።ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፣ሓላዊ ነፍስኹምን፣ተመሊስኩም ኣለኹም።
ንምንታይ ድሒና?
ምድሓና ዝተረኸበ ብናትና ስራሕን ፅቡቕ ግብርን ኣይኮነን። እ/ር ንወዲ ሰብ
ካብ ሞት ናብ ህይወት ዘሰጋገሮ ንዕኡ{እ/ር} ዘሐጉስ ከምኡ ንኽገብረሉ{ከድሕኖ}
ዘብቅዖ ዝተቐደሰ ህይወት ስለዝነበሮ ኣይኮነን። ብኦርቶዶክሳዊ ኣስተምህሮ ሰብ
ዝደሓነ ብእ/ር ምሕረት{ፀጋ} እዩ። . . . . ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም።እዙይ ከዓ
ውህብቶ እ/ር እዩ እምበር፣ካባኻትኩም ኣይኮነን።
{ዲ/ን ያረጋል ኣበጋዝ ቃል ኪዳን በነገረ ድህነት /2006 ገፅ 72}
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተሰወኣ በጊዕ ሊቀ ካህንን መስዋእቲ ተቐባሊ እግዚኣብሄርን ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ
ስለ ኢየሱስ ክርስቶስ መተዓረቓይነት ናይ መፅሓፍ ቅዱስን ናይ ሊቃዉንቲ ምስክርነትን።
ናይ ኣብ ሊቀ ካህናት ዝኾነ፣ ናይ ሰብ ባህርይ {ወገን} ምስ እ/ር ኣተዓረቐ {ሃ/ኣበው ኣመክንዮ}
ስለቲ ዝኣመናሉ ሰናይ ግብሪ ንምስራሕ ንቐንእ ገንዘቡ ገበረና፣ ስለና ይማልድ እዩሞ፣
እንኣምነሉ ሊቀ ካህናት {መተዓረቒ} ኢሉዎ። {ሃ/ኣበው ዘዮሃንስ ኣፈወርቅ ክ2 ም63 ቁ 26 }
ስለኣይ ኣብ ቀራንዮ ዝፈሰሰ ንፁህ ናይ መሲህኻ ደም እነሆ ስለኣይ የእዊ ፣ እዚ ዝዛረብ ደም
ናተይ ናይ ባርያኻ ሓጢኣት ዘስተሰሪ ይኹን። {ቅዳሴ ሃዋርያት ቁ.106}
ኦ ኣብ ስለ ኢየሱስ ርድኣና ፣ ኦ ክርስቶስ ናብ ርህሩህ ኣቦኻ ኣማሕፅነና ፣ ናይ ኣብን ወልድን
መንፈስ ኣፅናዕንዐና። {ስብሕተ ፍቁር ሰዓታት}
ንእ/ርን ሰብን ዝስማዕማዕ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ክልቲኦም ኣተዓረቖም። {ሃ/ኣበው 8፡21}
ኦ ወልድ ከምዝሓመመ ሰብ ኮይንካ ዓዉ ኢልካ ተፃራሕ ፣ ኤልማስ ላማ ሰበቅታኒ በል ።
{እቲ ቁርባን} ኣብ ኣፎም ዉሽጢ ከሎ፣ ኣቦ ኣቦይ ስጋይ ዝበልዑን ደመይ ዝሰተዩን
መሕሮም፣ ይቕረ በሎም ኢይካ ተዛረብ። {ቅዳሴ ኣትናቴዎስ}
ሮ.ሜ 8፡34 / ዕ.ብ 7፡25 /
እምነትን ሰናይ ስራሕን ኣብ ደቂ ሰባት ምድሓን
ሮ.ሜ 3፡20 ፦ ኣብ ቅድሚ እ/ር ፣ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን።
ገ.ላ 2፡21 ፦ ኣነስ ንፀጋ እ/ር ኣየቃልልን ፣ ፅድቂ ፡ ሕጊ ብምፍፃም ዝርከብ እንተ ኾይኑ ፣
እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ።
ኤ.ፌ 2፡8-9 ፦ ንኽርስቶስ ብምእማን ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፣ እዙይ ከዓ ዉህብቶ
እ/ር እዩ እምበር ፣ ካባኻትኩም ኣይኮነን። ሓደኳ ከይምካሕስ ብግብሪ ኣይኮነን።
ካብዞም ጥቕስታት ከምንርድኦ ፅድቂ 2 ዓይነት እዩ፦
1,ካብ እ/ር ዝኾነ ፅድቂ ‘‘ናይ እ/ር ፅድቂ’’
2,ናይ ሰብ ፅድቂ ‘‘ብሰብ ዝተሰርሐ’’ ይበሃሉ።
ናይ ሰብ ፅድቂ ዝስራሕ ብባዕሉ ብሰብ ስለዝኾነ ናይ ሰብ ጊዜ ፣ ዓቕሚ ፣ ፍልጠት ፣ እምነት
፣ገንዘብ፣ ወ.ዘ.ተ መሰረት ብምግባር ዝፍፀም እዩ። ንኣብነት 100 ዓመት ፅቡቕ ዝሰርሐ ሰብ
ተሃልዩ ፣ ኣብናቱ ፅድቂ ተመስሪቱ ዝረኽቦ ዋጋ እዉን ንተመሳሰልቲ 100 ዓመታት እምበር
ንዘልኣለም ኣይኾንን። ልዕሊ 100 ዓመት ዝኾነ ነገር ተግንዩ ግን እዚ ፀጋ {ካብ እ/ር ዝኾነ
ነፃ ስጦታ} እምበር ዋጋ ወይ ድማ ደመወዝ ኣይኮነን።
ፅድቂ ታይ እዩ?
እ/ር ብባህሪኡ ፃድቕ እዩ፣ብፅድቂ እዉን ይፈርድ ፣ ኩሉ ናይ ፅድቂ ስራሕትን ሓሳባትን
ፍልፍል ንሱ እዩ። መፅሓፍ ከምዚ ይገልፆ ፦
2ይ ጢ.ሞ 4፡8፦ ደጊም እቲ ቅኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጎይታ ፣ በታ መወዳእታ መዓልቲ እቲኣ ፣
ዝህበኒ ኣኽሊል ፅድቂ ተዳልዩለይ ኣሎ።
ት.ኢሳ 45፡24-25 ፦ ብዛዕባይ ከዓ ፅድቅን ሓይልን ኣብ እ/ር ጥራሕ እዩ ዘሎ ክብሉ እዮም።
. . . . ኩሎም ዘርኢ እስራኤል ብእ/ር ክፀድቁ ፣ ብእኡዉን ክምክሑ እዮም።
ስለዚ ፅድቂ ናይ እ/ር ናይ ባህሪ ገንዘቡ እዩ።
ናይ ፅድቂ መሰረት ናይ እ/ር ፅድቂ ስለዝኾነ ብባህሪኡ ፃድቕ ዝኾነ እ/ር ብምእማን ፀኒዑ
ዝነብር ሰብ ፃድቕ ይበሃል።
ኪ.ወልድ ክፍሌ ድማ ፦
‘‘ጸዲቅ ጽዲቆት’’ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል እንትትርጉሙ ምፅዳቕ ፣ ሓቀኛ ሙዃን ፣ ምርታዕ
፣ ብፍርዲ ካብ ሓሶት ካብ በደል ምንፃህ ፣ ምፅራይ ፣ ምብላፅ ፣ ምምሕያሽ ፣ ይብሉዎ።
‘‘ፅድቂ’’ ድማ ‘ሓቂ ፣ ርግፅ ፣ ቅንዕና ፣ ዝግባእ ነገር ፣ ሕጊ ፣ ትእዛዝ ፣ ባህርያዊ መፅሓፋዊ
ስራሕ’ ክብሉ ይትርጉምዎ።
‘‘ፃድቕ’’ ድማ ሓቀኛ ፣ ቅኑዕ ፣ የዋህ ፣ ፅቡቕ ፣ ሰናይ ፣ ንፁህ ፣ ኢሎም ይትርጉምዎ
{ኪ.ወልድ 1948 ዓ.ም ገፅ 745 -746}
ካብዚ መዝገበ ቃላታዊ ትርጉም ከምንርድኦ ናይ ሰብ ፅድቂ ‘ባህርያዊን’ ‘መፅሓፋዉን’
ክኾን ይኽእል እዩ።
‘ባህርያዊ’ ማለት ወዲ ሰብ ካብ ተፈጥርኡ ዝተበገሰ ሰናይ ምግባር ናይ ምግባር ድልየትን
ክእለትን ተጠቒሙ ዝሰርሖ ማለት እንትኾን።
‘መፅሓፋዊ’ ድማ ሰብ ብመፅሓፍ ክፍፅሞ ዝተኣዘዘ ናይ ፅድቂ ስራሕ ክሰርሕ ተሎ እዩ።
መፅሓፍ ‘ኣብ ቅድሚ እ/ር፣ገበርቲ ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዩም ዝፀድቁ እምበር ፣ ሰማዕቲ ሕጊ
ኣይኮኑን ዝፀድቁ’።{ሮ.ሜ 2፡13}ይብል። እዚ ንሰብ ናይ ስራሕ ፅድቂ {ብስራሕ ዝፀደቐ}
የብሎ። እቲ ፅድቁ እዉን ዝደኸመሉ ዋግኡ {ደመወዙ} እዩ እምበር ብነፃ ዝረኸቦ ስለዘይኮነ
ከም ፀጋ ኣይቑፀረሉን ‘ነቲ ዝሰርሕ ሰብ ደመወዙ ኸም ግቡእ ኾይኑ ይቑፀረሉ እምበር ፣ ከም
ውህብቶ ኣይኮነን። {ሮ.ሜ 4፡4} ሕጊ ዝሕልዉ ብህይወት {ብስጋ ካብ ምቕፃዕ ድሒኖም}
ከምዝነብሩ ይምስክር። ‘‘ሙሴ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ብምፍፃም ዝመፅእ ፅድቂ ‘እቲ ንሕጊ ዝፍፅሞ
ሰብ ፣ ብእኡ ብህይወት ይነብር’ ኢሉ ፅሒፉ እዩ።’’ {ሮ.ሜ 10፡5}
ካብ ሕገ ልቦና ኖህ {ዘ.ፍ 6፡9} ካብ ሕገ ኦሪት ኤልሳቤጥን ዘካርያስን {ሉቃ
1፡16} ፃድቃን እዮም። ማለት ሓቀኛታት ተብሂሉ ተመስኪሩሎም እዩ። ነገር ግን
ጥንተ ኣብሶን ናይ ግብሪ ሓጢኣትን ስለ ዝነበሮም ናይ ሓጢኣት ፍዳ ኣይነበሮምን
ማለት ኣይኮነን።
ንሰብ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ንጥንተ ኣብሶ ኾነ ንምልኣተ ሓጢኣት ከጥፍኣሉ
ኣይከኣለን።
‘ኩልና ከም ዝረኸሰ ሰብ ኮይና ፣ ፅድቅና እዉን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ ።’
ት.ኢሳ 64፡6
ናይ ሰብ ፅድቂ ነፍሱ ካብ ሞት ንምድሓን እኹል ኣይነበረን። ምእትዙይ ድማ
ክርስቶስ ንፁሃ ባህርይ እንተሎ ከክንዳና ሓጢኣተኛ ተባሂሉ ደሙ ኣፍሲሱ
ተበጂዉና።
ምድሓና ብእግዚኣብሄር ፅድቂ እዩ
ገ.ላ 5፡4 ፦ ኣቱም ሕጊ ብምፍፃም ክትፀድቁ እትደልዩ ፣ ካብ ክርስቶስ
ተፈሊኹም ኢኹም። ካብ ፀጋ ኸዓ ወዲቕኹም ኢኹም።
መፅሓፍ ቅዱስ ክንምክሐሉን ክንኣምንኖን ዝግበኣና ፅድቂ ብእ/ር ሙዃኑ
ይነግረና።
ገ.ላ 2፡21 ፦ ኣነስ ንፀጋ እ/ር ኣየቃልልን ፣ ፅድቂ ፡ ሕጊ ብምፍፃም ዝርከብ
እንተ ኾይኑ ፣ እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ።
ሮ.ሜ 3፡27 ፦ ትምክሕቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ንሱ ተሪፉ እዩ ፣ ብግብሪ ሕጊ ድዩ?
ኣይኮነን ፣ ብእምነት ሕጊ እዩ እምበር። ሰብ ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ ፣ ብእምነት
ከም ዝፀድቕ ንፈልጥ ኢና።
ሰብ ብእ/ር ፀጋን ብክርስቶስ ሞትን ከምዝፀድቕ ዘረድኣና ‘የቤ/ን ፀሎት’ ዝብል መፅሓፍ
ናይ ‘ፅድቂ መንገዲ’ ኣብ ዝብል ርእሲ ከምዚ ይነግረና ።
‘‘ሰብ ኩሉ ብስራሕ ከምዘይፀድቕ ብእ/ር ፀጋን ብክርስቶስ ሞትን ከምዝፀድቕ የረድእ ፣
ክርስቶስ ሙሟቱ ሰብ ብስራሕ ምፅዳቕ ዘይኽእል ሰለ ዝኾነ እዩ።’’ {የቤ/ን ፀሎት ገፅ 93-94}
ሕጊ ንምንታይ ተዋሂቡ?
ሕጊ ንምድሓን ኣይተውሃበን ፣ ሕጊ ዝተውሃበሉ ዕላማ ምርዳእ ምድሓን ሕጊ ብምፍፃም
ከምዘይኮነ ንምርዳእ ይሕግዝ እዩ። ሕጊ ንምንታይ ተዋሂቡ?
1, ኣፍ ኩሉ ንኽዕፆ ፣ ዓለም ኩሉ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ንኽኾን ።
ሮ.ሜ 3፡19 ፦ ኩሉ ሰብ ዘመኻንዮ ምእንቲ ኽስእን ፣ ኩሉ ዓለምዉን ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እ/ር
ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽፈልጥ ፣ እቲ ሕጊ ዝእዝዞ ፣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝኾነ
ንፈልጥ ኢና።
2, ስጋ ዝለበሰ ኹሉ ኣብ ቅድሚ እ/ር ሕጊ ብምፍፃም ከምዘይፀድቕ ንምርኣይ
ሮ.ሜ 3፡20 ፦ ስለዙይ ኩሉ ስጋ ዝለበሰ ኣብ ቅድሚ እ/ር ፣ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን።
3, ሓጢኣት ንምግላፅ
ሮ.ሜ 3፡20 ፦ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ።
4, ስለቲ ዝተገለፀ ናይ እግዚኣብሄር ፅድቂ ክምስክር
ሮ.ሜ 3፡21 ፦ ብዘይ ሕጊ ሙሴ ዝኾነ ፣ ፅድቂ እግዚኣብሄር ተገሊፁ ኣሎ።
5, ኣይሁድን ናይ ግሪክ {ኣህዛብ} ሰባትን ኩሎም ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ከምዝኾኑ ንምኽሳስ
ሮ.ሜ 3፡9 ፦ ኣይሁድ ኮኑ ኣህዛብ ኩላቶም ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እዮም ኢልና ኣቐዲምና ኸሲስናዮም ኢና።
6, ሓጢኣት ንምብዛሕ
ሮ.ሜ 5፡20 ፦ ሓጢኣት ምእንቲ ክበዝሕ ፣ ሕጊ ኣተወ።
ሕጊ ሓጢኣት ኣይኮነን ፣ ነገር ግን ሕጊ እንትመፅእ ሓጢኣት ይበዝሕ እዩ። ንኣብነት ፦
ኣብ ሓደ ፀልማት ገዛ ሓመድ {ኣቧራ} እንተሃለወ ዋላ እቲ ገዛ ፀልማት ስለዝኾነ ኣይፍለጥን ናብቲ ፀልማት
ገዛ ናይ ብርሃን ጨረር እንተኣትዩ ግና ነቲ ኣቧራ ምርኣይ ይከኣል። ልክዕ ኸምዚ ድማ ሕጊ ምስመፀ ሓጢኣት
በዚሑ።
ሕጊ ብምምፅኡ ትምኒት ሓጢኣት ኮይኑ ፣ ትምኒት ሓጢኣት ሙዃኑ ፈሊጥና ፣ስለዚ ድማ ኣብ ህይወትና
ሓጢኣት እናበዝሐ ኸደ።
7, ሕጊ ናብ ክርስቶስ ዝመርሕ ሞግዚት እዩ
ገ.ላ 3፡21-25 ፦ እምበኣር ሕጊ ነቲ ብእ/ር ዝተውሃበ ተስፋ ይፃረር ድዩ? ፈፂሙ ኣይፃረርን ፣
ህያው ክገብር ዝኽእል ሕጊ ተውሂቡ ነይሩ እንተዝኸዉን ፣ ብርግፅ ፅድቂ ብሕጊ ምኾነ ነይሩ ፣
እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዝርከብ ተስፋ ፣ ነቶም ዝኣምኑ ጥራሕ ምእንቲ ክወሃብ ፣
መፅሓፍ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓፀዎ። እዛ እምነት እዚኣ ቕድሚ ምምፃኣ ፣ ንሕና ነታ
ክትገሃድ ዘለዋ እምነት እናተፀበና ፣ ናብ ትሕቲ ሕጊ ተዓፂና ንሕሎ ነበርና ። ስለዙይ ከዓ
ብእምነት ምእንቲ ኽንፀድቕስ ፣ ናብ ክርስቶስ ከብፅሐና ፣ እቲ ሕጊ ሞግዚት ኮነና ። እምነት
ምስ መፀት ግና፣ ደጊም ትሕቲ ሞግዚት ሙዃን ኣየድልየናን።
ስለዚ ሕጊ ናብ እ/ር ዝመርሕ ካብ ኮነ ፣ ብእምነት ዝርከብ ናይ እ/ር ተስፋ {መንግስተ
ሰማያት} ዝቃወም ኣይኮነን ማለት እዩ።
ሰናይ ስራሕ ንምንታይ ንሰርሕ?
1, ንእ/ር ዘለና ፍቕሪ ንምግላፅ
ዮ.ሃ 14፡21፦እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎሞ ዝሕልዎ ፡ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ።
2, ናይ እምነትና ዉፅኢት ስለዝኾነ። ሰናይ ስራሕ ናይ ሃ/ኖት ዉፅኢት እዩ፣ ሓቀኛ ሃ/ኖት
ዘለዎ ኹሉ ናይ ግድን ሰናይ ስራሕ ይሰርሕ። {የኢ/ኦ/ተ/ቤ/ን እምነትና ሥርዓተ ኣምልኮትና የውጭ
ግንኙነት 2009 ዓ.ም ገፅ 64-65} {ያ.ዕ 3፡20}
3, ንክርስቲያናዊ ህይወት ሰናይ ስራሕ ናይ ግድን ኣድላይ ስለዝኾነ
ም/ቱ ሰናይ ምግባር ዘይብሉ ሃ/ት ዝሞተ ስለዝኾነ {እቲ እምነት ህልዉና የብሉን}።
ያ.ዕ 3፡20 ፦ ‘እምነት ብዘይ ተግባር ዝሞተት ምዃና ኽትፈልጥ ዶ ትደሊ ኢኻ?’
4, እምነትና ብተግባር ስለዝፍፀም።
ያ.ዕ 3፡22 ፦ ‘ብተግባር እምነት ከምዝተፈፀመት ትርኢ ዶ ኣለኻ’
5,ዝኣመነ ሰብ ናይ ግድን ሰናይ ስራሕ ክሰርሕ ስለዘለዎን ሰብ ዝደሓነ ኣቐዲሙ ዝተዘጋጀወሉ
ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ስለዝኾነን።
ኤ.ፌ 2፡10 ፦ ‘ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር ብክርስቶስ ኢየሱስ ተፈጠርና’።
5, ሰባት {ኢ-ጥሙቃን} ብናትና ሰናይ ምግባር ንሰማያዊ ኣቦና ምእንቲ ከኽብሩ።
ማ.ቴ 5፡16 ፦ ‘ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦዃትኩም ምእንቲ
ከመስግንዎ ፣ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
ናይ ምድሓና መረጋገፅታት
ስለ ምድሓን ክለዓል ከሎ ክምለሱ ካብ ዝግብኦም ጥያቐታት እቲ ሓደ መረጋገፂና ታይ እዩ
ዝብል እዩ። ብሓፈሻ ናይ ወዲ ሰብ ናይ ምድሓን ስራሕ ብመድሓኒትና ብእ/ር ተፈፂሙ
ድዩ? እዚኸ ብምንታይ ነረጋግፅ? ሕድሕድ ሰብከ እዚ ምድሓን ከምዝረክብ ብምንታይ
የረጋግፅ? ዝብሉ ጥያቐታት ነዚ ዝምልከቱ እዮም። ብእ/ር ምድሓና ክንቅበል ከለና ብዘይ
ምንም መረጋገፂ ፣ ዝተነገረና ኹሉ ናይ እ/ር ምድሓን እዩ ኢልና ንቕበል ኢና ማለት
ኣይኮነን።
ናይ ምድሓን ቃል ሓቃዉነት ብብዙሕ መረጋገፅታት ዝፀንዐ እዩ።
ብስራት {ወንጌል} ኢልና እንሰብኮ ሓቂ {ዝተረጋገፀ} ካብ ሙዃኑ ዝተልዓለ እዩ።ነዙይ
መረጋገፂና ድማ መፅሓፍ ቅዱስ እዩ።
ብወልድ ዝኣምን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣለዎ
ቅዱስ ዮሃንስ ወንጌል ናይ ምፅሓፉ ምኽንያት ገሊፁልና እዩ ፦
ዮ.ሃ 20፡31 ፦ ግና እዙይ ዝተፅሓፈ ፣ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ እ/ር ከም ዝኾነ ምእንቲ
ኽትኣምኑን ፣ ኣሚንኩምዉን ብስሙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡን እዩ።
ሚሊሱ ድማ ኣብ ምዕራፍ 3 ናይ ክርስቶስ ናይ ስቕለቱ ዕላማ ይነግረና።
ዮ.ሃ 3፡14-15 ፦ ኩሉ ብእኡ ዝኣምን፣ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ፣
ከይጠፍእስ ፣ ከምቲ ሙሴ ኣብ ምድረበዳ ንተመን ዝሰቐሎ ፣ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኽስቀል
ኣለዎ።
እሞ እምበኣር ክርስቶስ ዝተሰቐለ ዝሞተ፣ ንሞት ስዒሩ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንስኣ ፣
ብእኡ ዝኣምን ኩሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ንኽህልዎ እምበር ንኸይጠፍእ ተኾይኑ ፣ እዚ
ሓቂ ምእማን ንምድሓና መረጋገፂ እዩ።
ብወልድ ዝኣምን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣለዎ
ዮ.ሃ 3፡16 ፦ ኩሉ ብእኡ ዝኣምን ፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር
ከይጠፍእስ ፣ እ/ር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ ፣ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ። እ/ር
ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ ፣ ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን። እቲ ብእኡ ዝኣምን ኣይፍረዶን
እዩ። እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና ፣ ብስም ሓደ ወዲ እ/ር ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪዱዎ ኣሎ።
ክብል የረጋግፀልና።
መሊሱ ድማ ዮሃንስ ናይ እ/ር ኣብ ፍቓድ ታይ ሙዃኑ እንትነግረና ፦
ዮ.ሃ 6፡39-40 ፦ካብቶም ኩሎም ንሱ ዝሃበኒ ፣ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ከተስኦም እየ
እምበር ፣ ሓደ እኳ ኣይጠፍእን እዩ። እዙይ ድማ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ እዩ ፣ ኩሉ
ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን ፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ ፣ ኣነዉን በታ ዳሕረወይቲ
መዓልቲ ከተስኦ እየ ፣ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።
መንፈስ ቅዱስ
ሰባት ብወዲ እ/ር እንትኣምኑ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ብህይወቶም ይሪኡ እዮም። እዙይ
ድማ ዝደሓነ ሰብ ዝረኽቦ ፀጋ ስለዝኾነ መረጋገፂና እዩ።
ናይ ተስፋና መረጋገፂ ፣ ናይ ርስትና ዕርቡን እ/ር መንፈስ ቅዱስ እዩ።
‘‘ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን ፣ መፈለጥታ ዝገበረልናን ኣብ ልብናዉን መተኣማመኒ መንፈስ
ቅዱስ ዝሃበናን ፣ እ/ር እዩ።’’ 2 ቆ.ሮ 1፡22 ።
‘‘. . . . ነዙይ ዘዳለወና እ/ር እዩ ፣ ዕርቡን መንፈሱዉን ዝሃበና ንሱ እዩ።’’ 2 ቆ.ሮ 5፡5
ክብል መንፈስ ቅዱስ ናይ ተስፋና መትሓዚ {ዕርቡን} ኣብ ልብና ዝተሃተመ መረጋገፂ ከምዝኾነ
ይገልፅ። ኣብ ኤፌሶም መልእኽቱ ድማ ፦
ኤ.ፌ 1፡14 ፦ ‘‘ንኽብሩ ምስጋና ክኸዉን እ/ር ነቶም ናይ ባዕሉ ዝኾኑ ኹሎም ክሳዕ
ዘድሕኖም ፣ መንፈስ ቅዱስ ፣ ነቲ ኽንረኽቦ ዘለና ርስቲ ፣ ዕርቡን እዩ።’’
ዝተለወጠ ህይወት
ተስፋና ገና ብናይ ክርስቶስ ዳግማይ ምፅኣት ዝግለፅ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ጠቕላላ
ንህይወትና ዝቕይር እምበር ምስ ህይወትና ምንም ርክብ ዘይብሉ ኣይኮነን። ቅዱስ ጳዉሎስ
ኣብ ቲቶ መልእኽቱ ፦
ቲ.ቶ 2፡11-13 ፦ ኩሉ ሰብ ዘድሕን ፣ ፀጋ እ/ር ተገሊፁ እዩ እሞ፣ እዚ ፀጋ እዙይ ፣
ሓጢኣትን ዓለማዊ ድልየትን ሓዲግና ፣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ርእስና መሊኽና ፣ ብፅድቅን
ብመንፈሳዊ ህይወትን ፣ ክንነብር ይምህረና።
ዝተለወጠ ህይወት ማለት ፦ ቅድሚ ምእማኑ ዝነበሮ ህይወት ተሪፉ ፣ ሓድሽ ህይወት
ምሓዝ ማለት እዩ። እዙይ እዉን ናይ ፍቕሪ ህይወት፣ናይ ምስጋና {ኣምልኾ} ህይወት፣ ናይ
ደስታ {ምፅንዕናዕ}ህይወት፣ ናይ መከራን ስደትን ህይወት ፣ ናይ ቅድስና ህይወት ፣ ናይ
ሕብረት ህይወት ፣ ዝዓቢ ህይወት ፣ ናይ ፀሎት ህይወት። ወ.ዘ.ተ ክበሃል ይኽእል።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ፍልፍል መፃሕፍቲ
1,ሳሙኤል ፈቃዱ ፡ ነገረ ሃ/ኖት {ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ} ፡ 7, ኣባ መልኬ ጼዴቅ {ሊቀ ጳጳስ} ፣ የኢ/ኦ/ተ/ቤ/ያ
4 ዕትም 2008 ዓ.ም እምነትና ትምህርት 1994 ዓ.ም
2, በኣማን ነጸረ ፡ ወልታ ጽድቅ {ስለ ደቂቀ እስጢፋኖስ 8, ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ፡ መፅሓፈ ምስጢር
ከየኣንፃሩ የሚያነፃፅር፡ ጥንተ ኣብሶን ከነጓዙ የሚተነትን ፡ 9, ኣባ ጎርጎርዮስ {ሊቀ ጳጳስ} ፣ የቤ/ን ታሪክ በዓለም
ቁንፀላዎችን የሚወድር} መድረክ ፣ ትንሳኤ ዘጉባኤ ማተሚያ ቤት 1978
3,ነገረ ድኅነት ፡ ማኅበረ ቅዱሳን 1999 ዓ.ም 10, ኪ.ወ.ክፍሌ ፣ መ/ሰዋስዉ ወግስ ወመዝገበ ቃላት
4, ቃልኪዳን በነገረ ድህነት ዲ/ን ያረጋል ኣበጋዝ 2006 ሐዲስ 1948 ዓ.ም
ዓ.ም 11,ትንቢተ ኢሳይያስ {ኣንድምታ} 1997
5, ተግሳፅ ዘዮሃንስ ኣፈወርቅ ፣ ተስፋ ገ/ሥላሴ ማተሚያ 12, ጳዉሎስ {ኣንድምታ} 1988
ቤት ታተመ 1987 ዓ.ም
13, ዲድስቅልያ ዘኣበዊነ ሐዋርያት 2004
6, ኣለቃ ኣያሌው ታምሩ ፡ምልጃ ፡ዕርቅና ፡ ሰላም 1992
ዓ.ም 14, የኢ/ኦ/ተ/ቤ/ን እምነት ሥርዐተ ኣምልኮትና የዉጭ
ግንኙነት 2009 ዓ.ም
ፍልፍል መፃሕፍቲ
15, ሃይማኖተ ኣበው 1986
16, ወንጌል ኣንድምታ 2003 ዓ.ም
17, የቤ/ን ጸሎት 1997 ዓ.ም
18, ድርሳን ዘዮሃንስ ኣፈወርቅ 1987 ዓ.ም
19, ኣኮቴተ ቁርባን ፣ ቀሲስ ዶ/ር መብራህቱ ኪሮስ
ገብሩ ፡ ህዳር 2012 ዓ.ም
20, በትረ ሃይማኖት { ቀሲስ ዶ/ር መዝገቡ}