You are on page 1of 93

ነገረ ድኅነት{ትምህርተ ድኂን}

ዲ/ን ሰመረ ኣረጋዊ


ነገረ ድኅነት { ት/ተ ድኂን }
“ነገር” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል “ዛዕባ” ንዝብል ናይ “ትግርኛ”ቃል ዘመልክት እንትኾን
እንግሊዘኝኡ ድማ {LOGY} ንዝብል ይውክለልና እዩ ።

“ድኂን” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል፦


ምድሓን ፣ ድሕሪ ምትሓዝካ ምምላጥ ፣ ከይተትሓዝካ ምቕራይ ፣ ምትራፍ ፣ ምጥንቃቕ ፣
ምኽልካል ፣ ብህይወት ምንባር ፣ ምሕዳስ ፣ ምልምላም { ሓጋዚ ፣ ረዳኢ ፣ ጠበቓ ፣ ዋሕስ ፣ መድሕን
ምግናይ} ተብሂሉ ይትርጎም።
ኪ.ወ.ክፍሌ/መ.ሰዋስዉ 1948 ገፅ 343
 ብሓፈሻ ኣብ “ት/ተ ድኂን ስለ ሰብ ምድሓንን እ/ር ምእንቲ ሰብ ዝገበሮ ናይ
ምድሓን ዋጋን” እነፅንዐሉ ዓዉደ ት/ቲ እዩ።
ሰብ ታይ ማለት እዩ?
ሰብ ማለት ናይ ስጋን ነፍስን ውሁድ እንትኾን እዚኣቶም ድማ ነንናይ ባዕሎም ባህርያት
ኣለዎም።
ሰብ ማለት “ተሰብኣ” (“ብ” ይጠብቕ እዩ) 7ተ ኮነ ማለት እዩ (ኣክሲማሮስ 2012 ዓ.ም
ናይ ዓርቢ ገፅ 151)
 ሰብ ማለት ናይ ስጋን ነፍስን ዉሁድ እንትኾን እዚኣቶም ድማ ነናይ ባዕላቶም ባህርያት
ኣለዉዎም።
ስጋ ኣርባዕተ ባህርያት እንትህልውዎ እዚኣቶም ድማ ፦
1. ሓዊ 2. ንፋስ
3. ማይ 4. መሬትን ይበሃሉ።
ሰብ ታይ ማለት እዩ?
ነፍሲ ሰለስተ ባህርያት እንትህልውዋ እዚኣቶም ድማ ፦
1.ህያዊት 2. ለባዊት 3.ነባቢት እያ።
ሰብ ማለት እዞም 7ተ ባህርያት ዘለዉዎ እንትኾን ካብ ኩሎም ፍጥረታት ኣዝዩ ዝኸበረ
ፍጥረት ድማ ወዲ ሰብ እዩ። ንምንታይ ተይልና ዝተውሰኑ ነጥብታት ምልዓል ይከኣል።
ናይ ሰብ ስጋ ንምንታይ ክቡር ኮይኑ?
• ሰብ ብእግዚኣብሄር ዝተፈጠረ ብምዃኑ {ዘ.ፍ 1፡26}
• እግዚኣብሄር ወልድ ናይ ሰብ ስጋ ስለዝተዋሃደ (ሮሜ 8፥11)
• ሰብ ዳጋማይ ብስጋ ስለ ዝትንስእ (ዮሃ 5፥28-29)
ስለ ነፍሲ ኣፈጣጥራ
 ናይ ነፍሲ ምንባር ብዝስማዕምዑ ሰባት ናይ ወዲሰብ ነፍሲ ኣፈጣጥራ (ኣመፃፅኣ)
ብዝተመልከተ ሰለስተ{3ተ} ዓይነት ኣመለኻኽታ ኣለዉ።
1. ንፍሲ በቢ እዋኑ እያ ትፍጠር (creationism)፦
እዚ ሓሳብ ዘምህሩ ኣካላት ስጋ (ሕድሕድ) ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን ነፍሲ እውን ሓቢራ ካብ
ካሊእ ምንጪ ትፍጠር ዝብል እዩ።
እዚ ተተባሂሉ ግን ፦
• ናይ ኣዳምን ሄዋንን መርገም ከመይ ናብ ዉሉዶም ሓሊፉ ዝብል ሕቶን
• ናይ ሓደ ሰብ (ኣዳም) ሓጥያት ብከመይ ንሰብ ኩሉ ጎዲኡ ዝብል መልሲ ኣይርከቦን።
ስለ ነፍሲ ኣፈጣጥራ
• 2. ነፍሲ ካብ ወለዲ ከም ስጋ ምስ ስጋ እትውረስ እያ (traducianism) ፦
በዚ ኣመለኻኽታ እዚ መሰረት ነፍሲ ካብ ወለዲ ብምኽፋል{ተከፍሎ} ናብ ውሉድ ትሓልፍ
እያ፣ ነፍሲ እውን ከም ስጋ እያ ትባዛሕ “ብዙሑ ተባዝሑ ምድሪ ከዓ ምልእዋ” ዝበሎ ቃል
ንስጋ ጥራሕ ከይኮነስ ንነፍሲ እውን ይምልከት እዩ ይብሉ።
• ኣቡነ መልከ ጼዴቅ እዚ ትምህርቲ ኦርቶዶክሳዊ እዩ ይብሉ (ኣባ መልከጼዴቅ
የኢ/ኦ/ት/ቤ/ን እምነትና ት/ት፣ 1994 ዓ.ም ገፅ 35 135)
• ኣባ ጊዮርጊስ እውን እዚ ትምህርቲ እዚ ይድግፉ እዮም። (መ/ምስጢር ም 23) ነፍሲ ካብ
ወለዲ እያ ትውረስ ዝብል ትምህርቲ ደጊፎም እንተምህሩ ብኣንፃሩ ድማ ነፍሲ ካብ ስጋ
ተፈልያ እያ ትፍጠር ዝብልን ኣብ 40 ምዓልቲ እያ ትወሃብ ዝብል ትምህርትን ድማ
የወግዙ።
ስለ ነፍሲ ኣፈጣጥራ
3. ነፍሳት ኣቐዲሞም ተፈጢሮም ኣብ መዝገብ ነፍሳት (መአከቢ ነፍሳት) ይነብሩ።
ኦሪገን (ኣርጌንስ) ዝተብሃለ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ(ዉጉዝ እዩ) “ኣብ ዓለመ
ነፍሳት ዘለዉ ነፍሳት ሓጥያት እንትሰርሑ ኣብ ኣዲኦም ማህፀን ናብ ዝተፀነሱ ፅንስታት
ይለኣኹ”{ዓለም ናይ ሓጢኣተኛ ነፍሳት መቕፅዒት እያ}ይብል።
 እዚ ትምህርቲ ኣብ 6ይ ሚእቲ ክፍለ ዘመን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ተወጊዙ እዩ።
ኪዳነ ወልድ እውን እዚ ትምህርቲ እዚ ዝመስል ሓሳብ ኣለዎም። (መ/ስዋስው 1948 ገፅ
26) “ነፍሲ ከም ስጋ ካብ ኣቦ ካብ ኣዶ ስለዘይተኸፈለት በቢንእሽተይ ምዕባይ
የብላን።”ይብሉ።
ስለ ነፍሲ ኣፈጣጥራ
ብሓፈሻ ኣብ ክርስትና ትምህርቲ ሰብ ስጋን ነፍስን ኣለዎ። እዚ ትምህርቲ ድማ
(dichotomy) ክሉኣዊ እናተብሃለ ይፍለጥ።
ብኻሊእ መዳይ ድማ ካብ ነፍስን ስጋን ብተውሳኺ ሰብ መንፈስ እውን ኣለዎ ዝብል
ትምህርቲ እዩ። እዚ ትምህርቲ ድማ ስሉሳዊ(trichotomy) እናተብሃለ ይፅዋዕ። ማር
ይስሃቅ “ኣብ ውሽጥኻ ስለዘለዉ ሰለስተ ፍቓድን ነፍስኻ ምስ ትሕትና እንተስማዕሚዕኻያ
ክትምስገን ኢኻ፤ እዚኣቶም ድማ ስጋ፣ ነፍስን መንፈስን እዮም ነገር ግን እዞም ክልተ ሓሳባት
ዝተፈላለዩ ኣይኮኑን።
ናይ ሓጥያት ትርጉሙ እንታይ እዩ?
• ሓጢኣት “ስሕተት፣ ክፍኣት፣ ሕጊ ምጥሓስ፣ ዓመፅ፣ ሰናይ ምግባር ፈሊጥካ
ዘይምስራሕ፣ ብእምነት መሰረት ዘይምንባር፣ ናብ ክብሪ እግዚኣብሄር
ዘይምብፃሕ” ኢሉ ይትርጎም። (ናይ መፅሓፍ ቅዱስ መዝገበ ቃላት 1992 ገፅ 133)

• ሓጢኣት ዝብል ቃል “ኃጥኣ” ካብ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል ዝተረኸበ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ


ምስኣን ማለት እዩ። እቲ ዝተስኣነ ነገር ድማ እግዚኣብሄርን ምስ እግዚኣብሄር ካብ ዝንበር
ቅዱስ ህይወትን እዩ።
ናይ ሓጥያት ትርጉሙ እንታይ እዩ?
• ሓጥያት ምስ እግዚኣብሄር ምፅላእ እዩ። (ሮሜ 5፥10)
• ሓጥያት ናይ ስጋ ስራሕ እዩ። (ገላ 5፥19-21)
• ሓጥያት ካብ ፅድቂ ዜሮ ሙኻን ማለት እዩ። (ሮሜ 6፥20)
• ሓጥያት ባርነት እዩ። (ዮሃ 8፥34)
• ሓጥያት ናይ እግዚኣብሄር ቃል ዘይምእዛዝ እዩ። (1ይ ዮሃ 3፥4)
• ሓጥያት ናይ መንፈስ ሞት እዩ። ( ኤፌ 2፥1)
• ሓጥያት መንፈሳዊ ዕውርነት እዩ። (ዮሃ 9፥41)
• ሓጥያት ካብ እግዚኣብሄር ምፍላይ እዩ። (ሉቃ 15፥11-24)
ናይ ሓጥያት ትርጉሙ እንታይ እዩ?
• ናይ ሓጥያት መፈፀሚ መንገድታት ሰለስተ{3ተ} እዮም።
1. ብምሕሳብ
2. ብምዝራብ
3. ብተግባር (ብምግባር)
ጥንተ ኣብሶን ናይ ግብሪ ሓጥያትን
• ሓጢኣት ኣብ ክልተ{2ተ} ከም ዝኽፈል ናይ ነገረ መለኮት ምሁራን ይዛረቡ። እዚ ማለት፦
1,ናይ ኣዳም ሓጥያት {ጥንተ ኣብሶ}
2,ናይ ግሊ ሓጥያት {ምልኣተ ኃጢኣት}
• ናይ ኣዳም ሓጥያት ንደቂ ኣዳም ናይ ውርሲ ሓጥያት እንትኾን ናይ ግሊ ሓጢኣት ድማ ናይ ግብሪ
ሓጢያት እዩ።
• ናይ ኣዳም ሓጢኣት ማለት፦ ካብ ኣዳም ስጋን ነፍስን ወሪሶም ዝተወለዱ ኩሎም ናይ ኣቡኦም ናይ
ኣዳም ሓጢኣት ብውርሲ ይቁፀረሎም፤ ስለዚ ኸዓ ሓጢኣት ተዘይሰርሑ ዋላ ናይ ኣዳም ባህርይ
ናቶም ባህርይ ስለዝኾነ ሓጥያተኛታት ይኾኑ ማለት እዩ።
• “ ኣዳም 130 ዓመት ምስገበረ ብምስሉን ከም መልክዑን ወዲ ወለደ።” (ዘፍ 5፥3) እዚ ማለት
ኣዳም ሓጢኣተኛ ስለዝኾነ፣ ቆልዓ በቲ ሓጥያተኛ ባህሪኡ ወሊዱ ማለት እዩ። እዚ ማለት
ብሓጢኣተኛ ባህሪኡ ዝተወለደ ሰብ እውን ሓጢኣተኛ ንሙኻን ብባዕሉ ሓጢኣት ንኽሰርሕ
ኣይጽበዮን።
ጥንተ ኣብሶን ናይ ግብሪ ሓጥያትን
• ኣዳምን ሄዋንን ሕጊ ኣምላኽ ምሰፍረሱ ካብኣቶም ወፃኢ ሰብ ስለዘይነበረ ሓጥያት ዘይሰረሐ
(ዘይወደቐ) ሰብ ኣይነበረን። ናይ ክልቲኦም ብሓጢኣት ምውዳቕ ናይ ሰብ ባህርይ
ብሓጢኣት ምውዳቕ እምበር ናይ ግለሰባት ሓጢኣት ጥራሕ ኣይነበረን። ድሕሪ’ዙይ ዝወደቐ
ፍጥረት (fallen nature)ኣብ ሓጢኣት ባርነት ውሽጢ ኾይኑ ብናይ ባዕሉ ምሳሌ
“ይባዛሕ” ማለት እዩ።
• “ይባዛሕ” እቲ ዘሎ ቑፅሪ ምውሳኽ እምበር ሓዱሽ ባህሪ ዘለዎ ካሊእ ነገር ምፍጣር
ስለዘይምልከት ካብዚ ንድሓር ሓጢኣተኛ ዘይኮነ ሰብ ምርካብ ኣይከኣልን። (ሮሜ 5፥12)
“ብሰንኪ ሓደሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ ብምኽንያት ሓጢኣት እውን ሞት መፀ፤
ኹላቶም ስለ ዝበደሉ ድማ ሞት ናብ ኩሉሰብ ተሓላለፈ።” ዝብል ጥቕሲ ነቲ ሓሳብ
የጠናኽሮ እዩ።
ጥንተ ኣብሶን ናይ ግብሪ ሓጥያትን

• ናይ ግሊ ሓጥያት ማለት ግን፦ ዕለት ዕለት እንፍፅሞ ናይ ግልና ሓጢኣት እዩ።


ሰብ ቅድሚ ሓጥያት
 ሰብ ዓለም ናይ ምግዛእን ናይ ምሕላዉን ሥልጣን ነይሩዎ።
 ሰብ ነፃ ፍጡር እዩ ነይሩ።
 ሰብ ምችዉን ሰላማዉን መንበሪ ቦታ ነይሩዎ።
 ሰብ ምስ እ/ር ሰላማዊ ርክብ ነይሩዎ።
 ሰብ ምስ ባዕሉ ሰላማዊ ርክብ ነይሩዎ።
 ሰብ ምስ ካልኦት ፍጥረታት ሰላማዊ ርክብ።
ዕፀ በለስ ንምንታይ ተፈጢራ?
1, ኣዳም ንእግዚኣብሄር ዘለዎ ፍቕሪ ምእንቲ ክገልፅ።
 እ/ር ንኣዳም ዘለዎ ፍቕሪ ካብ ምፍጣር እስካብ መግቦት ተገሊፁ እዩ። ኣዳም ንእ/ር ዘለዎ
ፍቕሪ ዝረጋገፅ ድማ ሕጉን ትእዛዙን ብምኽባር እዩ።
ዮ.ሃ 14፡21፦እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎሞ ዝሕልዎ ፡ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ።
2,ፍጡርነርቱ ምእንቲ ክፍለጥ
 ዲያብሎስ ፍጡር ሙዃኑ ረሲዑ ፈጣሪ ክኾን ኢሉ እዩ ዝወደቐ ፣ ስለዚ እ/ር ንኣዳም
ፍጡር ሙኻኑን ፈጣሪ ከምዘለዎ እተፍልጦ ምልክት/ ናይ ተገዛኣይነት / ሃቦ። ትእዛዝ ወሃቢ
ከምዘለዎን ትእዛዝ ተቐባሊ ንሱ /ኣዳም/ ሙኻኑን ተፈለጠ ፣ ”ኩሉ ግዛእ” ዋላ ተተብሃለ
ኩሉ ክገዝእ ካብዝገበሮ ካብ እ/ር ንታሕቲ ሙኻኑ “ግበር” “ኣይትግበር” ብዝብል ሕጊ
ተፈለጠ።
ዕፀ በለስ ንምንታይ ተፈጢራ?
3, ነፃ ፍቓዱ ምእቲ ክግለፅ
 ናይ ሓደ ሰብ ነፃ ፍቓድ ዝፍለጥ ናይ ምምራፅ መብቲ ምስዝህልዎ እዩ። ተዘይኮይኑ ግን
መምርሒ እምበር ነፃ ፍቓድ ኣይኮነን፣
ኣዳም 2ተ መማረፂ ተውሃቦ ፦
1, ዕፀ በለስ ከይበልዐ ዕፀ ህይወት ናበልዐ ብሂወት ክነብር
2, ዕፀ በለስ ተበሊዑ ግን ክመዉት

-ኣዳም ዕፀ በለስ ምብላዕ እሞ ሙማት መሪፁ። ድሕርዙይ ኣዳም ወዲቑ. . . . . .


ኣዳም ወዲቑ ማለትና ታይ ማለትና እዩ?
1,ፀግኡ ተገፊፈ
ሀ, ጥራይ ዝባኑ ኾነ ፦ ኣዳምን ሄዋንን ናይ ፀጋ ክዳን ነበሮም ፣ ትእዛዝ ኣምላኽ ምስጠሓሱ ግና
ተገፈፈ።
ዘ.ፍ 3፡7 ፦ሽዑ ኣዒንቶም ተኸፈታ ጥራሖም ሙኻኖም ድማ ፈለጡ።
ለ, ሓይሉ ሰኣነ ፦ ፍቓድ ነፍሲ ብፍቓድ ስጋ ተስዓረት ፣ ወዲ ሰብ ንምብልዑ ፅቡቕ ፣ ንዓይኒ
ብዘሀንጡ ፣ ንጥበብ ፅቡቕ ነገር ኮይኑ ብዝርኣ ነገር ተሸፈነ ። ሰብ ከም እንስሳ ንናይ ስጋ ፍቓድ
ተስዓረ።
መ.ዝ 49፡12፦ ሰብ ግና ክቡር እተሎ ኣይፈልጥን ከም ዝጠፍኡ እንስሳት መሰለ።
ሐ, ጋሻ ኾነ ፦ ናይ ገነት በዓል ርስቲ ናይዚ ዓለም ጎይታ ዝነበረ ወዲ ሰብ ርስቱ ብምስኣን ርስቱ
ዝናፍቕ ጋሻ ኾነ ።
መ.ዝ 39፡12፦ ኣነ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ስደተኛ ከም ኣቦታተይ ጋሻ እየ።
ኣዳም ወዲቑ ማለትና ታይ ማለትና እዩ?
2, ባህሪኡ ተጎሳቐለ
ሀ, ሰላሙ ሰኣነ ፦ ኣዳም ሰላማዊ ኾይኑ እዩ ተፈጢሩ ፣ ሐዚ ግን ሰላሙ ሰኣነ ፣ ተጨነቐ ፣
ደንገፀ ፣ ተሓበኣ ፣ ሓጥእ ብሰላም ስለዘይነብር መሕብኢ ደለየ ።
ዘ.ፍ 3፡10፦ ፈሪሐ ተሓባእኹ።
ለ, ነፃነቱ ሰኣነ ፦ ኣዳም ነፃ ፍጡር እዩ ነይሩ፣ ወይ ህይወት ወይ ሞት ናይ ምምራፅ ዕድል
ነይሩዎ ፣ ሐዚ ግን ሞት መሪፁ፣ ብናይ ሞት ባርነት ተትሓዘ ፣ ኣብ ልዕሊኡ ሞት ሰልጢኑ ፣
ናይ ሞት ባርያ ኾይኑ።
ሮ.ሜ 5፡14፦ ሞት ግና ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ሙሴ . . ነጊሱ ነበረ።
ኣዳም ወዲቑ ማለትና ታይ ማለትና እዩ?
3,ህያውነት ሰኣነ፦
 ባዕሉ ሞት ብምግዝኡ መዋቲ ኾነ። ብነብሲ ናብ ሲኦል ብስጋ ናብ መቓብር ምዉራድ
ተቐበለ ፣ ዝስዉኦ ዝነበረ መስዋእቲ እዉን መዋቲ ፣ ህይወት ዘየምፅእ ፣ ሞት ዝሽፍኖ ናይ
እንስሳታት መስዋእቲ ኾነ።
4, ንእግዚኣብሄር ምምሳል ሰኣነ ፦
መ.ዝ 82፡6፦” ኣነስ ኣማልኽቲ ኢኹም ፣ ኩልኻትኩምዉን ዉሉድ እቲ ልዑል ኢኹም ።”
ሰብ ኣምላክ ዘበፀጋ ነበረ ፣ ነገር ግን ከም ዲያብሎስ ብምዉዳቑን እ/ር ናይ ምምሳል ክብሪ
ሰኣነ።
ኣዳም ወዲቑ ማለትና ታይ ማለትና እዩ?
5, በዓል ዕዳ ኾነ፦ ኣዳም ብባህሪኡ ነፃ ሰብ እዩ ኔሩ ፣ ሐዚ ግን ሞት ዝኣክል ዕዳ ተሸኪሙ
፣ ክኸፍል እዉን ኣይከኣለን ።
6, ንገነት ሰኣነ ፦ ካብ ርስቱ ተባረረ ፣ ስደተኛ ኾነ ፣ ስለዚ ምስቲ ህያው ኣምላኽ
ዝነበሮ ርክብ ተቛረፀ ።
ማ.ቴ 22፡32 ፦ እምበኣር ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር ኣምላኽ ምዉታን
ኣይኮነን ።
ናይ ሓጢኣት ዉፅኢት {ሓጢኣት ኣብ ናይ ሰብ ህይወት ዘስዓቦ ጉድኣት}

• ሮ.ሜ 6፡23፦ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ።


• ሓጢኣት ኣብ ናይ ሰብ ህይወት ከምዝኣተወ ብሓጢኣት ድማ ሞት ከምዝተኸሰተ፣ኣብ ሮ.ሜ
5፡12-14 ተረዲእና ኢና። ናይ መጀመርያ ናይ ሓጢኣት ዉፅኢት እዙይ እዩ።
• ኩሉ ዘርኢ ሰብ ሓጢኣተኛን ንሞት ዝግባእን ምግባር።
1,ኣዳም ምስበደለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሙቛም ፈርሐ {ዘ.ፍ 3፡7-19}
2,ሰብ ብደስታ ካብ ዝነበረላ ካብ ገነት ተባረረ {ዘ.ፍ 3፡23-24}
3,ቁጣዓ እ/ር ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ኮነ።
{ዘ.ፍ 3፡16-19}
4,ኩሉ ፍጥረት ተረገመ {ዘ.ፍ 3፡17}
ናይ ሓጢኣት ዉፅኢት {ሓጢኣት ኣብ ናይ ሰብ ህይወት ዘስዓቦ ጉድኣት}

5,ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ምጭካንን ሰብ ምቕታልን ተጀመረ {ዘ.ፍ 4፡8-19}


6,ሞት ኣተወ {ዘ.ፍ 3፡17}
7,ሰብ ሓጢኣተኛ ብሙኻኑ ፍፁም ርህራሀ ምርኣይን ንእ/ር ምሕጓስ ኣይከኣለን፣ ናይ ሰብ
ልቢ ክፉእ ኾነ።{ዘ.ፍ 6፡5 / ሮ.ሜ 3፡1-18}
8,ፅቡቕ ነገር ናይ ምግባር ድልየት ዋላ ይሃልዎ ናይ ምግባር ዓቕሚ ሰኣነ፣ ብተፃራሪ ክፉእ
ምግባር ንዘይምግባር ዋላ ተደለየ ኣብ ሙሽጡ ዝሓደረ ሓጢኣት ኣብ ዉሽጡ እናተስፋሕፈሐ
ብግዲ ሓጢኣት ምግባር ቀፀለ። {ሮ.ሜ 7፡15-20}
9,ሰብ ዉሉድ ሰይጣን ኮነ፣ ዉሉድ ኣትማን እዉን ተብሃለ {ዮ.ሃ 8፡44/ማ.ቴ 12፡34}
10,ሰብ ንእ/ር ምእዛዝ ኣይከኣለን።
11,ብባዕሉ ናብ ሓቂ ምምላስ ኣይከኣለን {1ቆ.ሮ 2፡14}
12,ናይ ሰብ ኣእምሮ ስዒትን ፈቓድን ተኸተለ።
13,ሓጢኣት ተስፋሕፈሐ { ምልኣት ሓጢኣት ተኸሲቱ}
14,ብዝበለፀ ሓጢኣት ንምስራሕ ተደፋፈኣ።
15,ንሃ/ኖት የቃልል እ/ር የለን እስካብ ምባልእዉን ይበፅሕ {መ.ዝ 94፡7/12፡3-4/14፡1}
 ቅ/ዮሃንስ ኣፈወርቅ ንኸምዚ ዓይነት መንፈሳዊ ዕዉርነት ከምዚ ይገልፆ ፦
‘ሓጢኣት ንሰብ እ/ር የለን እስካብ ምባል በፂሑ ንእ/ር ዘይፈርሕ፣ፍቕሪ ዘይብሉ፣ሃ/ኖት
ዘይብሉን ፅኑዕ ልቡን ከምትገብሮ ፈሊጥካዶ?’ ሃ.ኣበው ዘ.ዮሃንስ .ም 64 ቁ 20
 ከምዚ ዓይነት ምልኣት ሓጢኣት ቅ/ኣትናቴዎስ ‘ብዙሕ ኣማልኽቲ ምምላኽ’ ካበይ
ከምዝመፀ ኣብ ዘብራህረሀሉ ት/ቱ ከምዚ ይገልፆ፦
‘‘ብዝኃ ኣማልክት’{ኣምልኮ ጣዖት} ካብ ሓጢኣት ዝተገነየ፣ሓጢኣት ዝወለዶ ናይ ሓጢኣት ፍረ እዩ። ካብ
ሓጢኣት ብዝሓት ዝተበገሰ ሰባት ብኣርኣያ ብኣምሳለ እ/ር ምፍጣሮም ረሲዖምን ዘንጊዖምን ነቲ ዘምልኽዎ
ኣምላኽ ባዕላቶም ብኢዶም ፈጢሮምዎ። . . . . . ኣብ ዓዘቕቲ ዝወድቐ ሰብ ኣብኡ ዉሽጢ ኮይኑ
ዝድህስሶን ዝሽፍኖን እምበር ቅንዕ ኢሉ ብርሃን ንምርኣይ ኣይኽእልን። ኣብቲ{ፀልማት} ኾይኑ ካብ
ዝድህስሶ ወፃኢ ካሊእ ነገር ዘሎ ኣይመስሎን፣ጣዖታዉያን እዉን ብሓጢኣት፣ብናይ ስጋ ፍቓድ ናብ ዓዘቕቲ
ዉሽጢ ስለዝኣተዉ ዝርእይዎ ፀሓይ፣ወርሒ፣ነቲ ዝድህስስዎ ዕንፀይቲ፣ነቲ እምኒ ምምላኽ ጀሚሮም።’
ኣባ ጎርጎርዮስ{ሊቀ ጳጳስ} የቤ/ን ታሪክ በዓለም መድረክ 1978 ገፅ 94/95
ከምዚ ተኾይኑ ካብ ሓጢኣት ርሒቕና ሃ/ኖትና ንሓሉ።
ሓጢኣት ንሞት ስለዘስዓበ ሰብ ብናይ ባዕሉ ሓይሊ ንባዕሉ ከድሕን ከምዘይከኣለ እምነትና እዩ። ናይ እ/ር
ፍቓድ ታይ ንሙዃኑ ንምስትዉዓል ካብ ምችጋሩ እዉን ሓሊፉ፣ናይ እ/ር ፍቓድ ምግባር ዋላኳ
እንተደለየ፣ናይ ምግባር ሓይሊ ከምዝሰኣነ ቅዱስ መፅሓፍ ‘ሰናይ ንምግባር ደኣ ድልየት ኣለኒ እምበር፣ ሰናይ
ግብርስ የብለይን። {ሮ.ሜ 7፡18} ኢሉ ይምስክር። ሰብ ብዛዕባ ባዕሉ ክሓስብ እንተሎ ‘ኣነ ዝተዋረድኩ
ሰብ እየ፣ካብዚ መዋቲ ሰብነት መንኮን ከድሕነኒ እዩ?{ሮ.ሜ 7፡24} ኢሉ ክፃራሕ ገይሩዎ እዩ።እቲ
ዝደሓነሉ ምስጢር ምስተረድአ ድማ፣ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘድሓነኒ እ/ር ምስጋና ይኹኖ።{ሮ.ሜ
7፡25} ብምባል ነቲ ዘድሓኖ እ/ር ከምዘኽበረ ንርዳእ።
ናይ እግዚኣብሄር መድሓኒትነት ኣብ ብሉይ ኪዳን
ት.ኢሳ 43፡11 ፦ ‘‘ኣነ እ/ር እየ ብዘይ ዘኣይ ዘድሕን የለን’’።
ት.ሆሴ 13፡4 ፦ ‘‘ብዘይ ዘኣይ ካልእ ኣምላኽ ኣይትፈልጥን ኢኻ፣ብዘይ ዘኣይ ድማ ካሊእ
መድሓኒት የለን’’።
ት.ኢሳ 43፡3 ፦ ‘‘ኣነ እ/ር ኣምላኽካ መድሓኒትካ እየ።’’
ት.ኢሳ 59፡1 ፦ ‘‘ እነሆ ኢድ እ/ር ንምድሓን ሓፃር ኣይኮነትን’’። ወ.ዘ.ተ
ናይ እግዚኣብሄር መድሓኒትነት ኣብ ሓድሽ ኪዳን
ሉቃ 1፡47 ፦ ‘‘መንፈሰይ ከዓ ብኣምላኸይ፣ብመድሓንየይ ባህ ይብላ።’’
1 ጢ.ሞ 1፡47 ፦ ‘‘ብትእዛዝ መድሓኒና እ/ርን፣ብተስፋ ኢየሱስ ክርስቶስን. . . .’’
1 ጢ.ሞ 2፡3 ፦ ‘‘እዙይ ኣብ ቅድሚ እቲ መድሓኒና ዝኾነ እ/ር ሰናይን ዘሐጉስን እዩ።’’
 በዞም ዝረኣናዮም ጥቕስታት መሰረት መድሓኒትነት ናይ እ/ር ናይ ባህሪ ገንዘብ ሙዃኑ
እዩ።
 ቅዱሳን ሰባት ኮኑ ቅዱሳን መላእኽቲ ዘድሕኑ ብስም እ/ርን ብስልጣን ኣምላኽን ምዃኑ
ምግንዛብ የድሊ። ስለዙይ ከዓ ናይቲ ምድሓን በዓል ዋና እ/ር እዩ።
ሃዋርያ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት መልእኽቱ ኣብ ትሕቲ ሰማይ መድሓኒት ብመን
ስም ሙዃኑ እንተረድእ ከምዚ ይፅሕፍ።
ግ.ሃዋርያት 4፡12 ፦ ‘‘ብእኡ ክንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም ፣ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ
ኣይተውሃበን እዩሞ ፣ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን።’’
ንኣዳም መድሓኒቱ መን እዩ?
ሰብ ድዩ?
• ሃይማኖተ ኣበው ዘኣብሉዲስ ምዕራፍ 42 ክፍሊ 8 ቁፅሪ 7-8፦ “ማንም ይኹን ማንም ካብ መለኮት
ዝተፈለየ ዕሩቅ ብእሲ (ኣምላኽነት ዘይብሉ ሰብ ጥራሕ) እዩ ኢሉ ብክርስቶስ ኣይእመን፤
ካብ ህይወት ከይፍለ፣ ዕሩቅ ብእሲ (ሰብ) ንዓለም ከድሕን ኣይኽእልን እሞ፤ ናይ ዕሩቅ
ብእሲ ሞት እውን ብሰብ ኣሚኑ ንዝጥመቕ’ውን ኣየኽብሮን እሞ፣ ኩላትና ብናይ ክርስቶስ
ሞት ኢና እንኸብር እምበር፤ ካብ ሰብ ወገን ማንም ይኹን ማንም ንሞት እውን ዘይሪኣ
ንትንሳኤ እውን ዝገልጾ ዝኽእል የለን። ዳዊት ብህይወት ዝነብር ንሞት እውን ዘይሪኣ መን
እዩ? ኢሉ ከም ዝተዛረበ (መዝ 88(89)፥48) ንባዕሉ ከድሕን ዘይከኣለ ንኻሊእ ክድሕን
ከመይ ኢሉ ይኽእል? ሓደ ንባዕሉ ከድሕን ዘይከኣለኸ ንዓለም ከድሕን ከመይ ኢሉ
ይከኣሎ? ሓጥያት ኣብ ሰብ ሓዲሩ ይነብር እዩ፣ ሞት እውን ይኽተሎ።
ንኣዳም መድሓኒቱ መን እዩ?
• ሃይማኖተ ኣበው ዘዮሃንስ ምዕራፍ 114 ክፍሊ 2 ቁፅሪ 15፦ “ድሕነትና (ምድሓና) ብዕሩቅ ብእሲ
(ብሰብ) ተገይሩ ተተባሂሉ፣ እዚ ፍፁም ክሕደት እዩ፤ ድሕነትና (ምድሓና) በቲ ዓብይ
እግዚኣብሄር ኮነ እምበር።” ይብል።
• ካብ ኢትዮጵያውያን ሊቃውንቲ እውን ኣባ መልከፄዴቅ (ሊቀ ጳጳስ) ትምህርተ ክርስትና 2ይ መፅሓፍ 1984 ዓ.ም ገፅ 50፦
“ሰብ ፈቒዱ ብዝሰርሖ ወንጀል (ሓጥያት) ምኽንያት ንባዕሉ ምድሓን ብዘይምኻሉ ኣካላዊ
ቃል (ክርስቶስ) ሰብ ኾይኑ፣ ስጋ ለቢሱ ንምድሓን ክብል ካብ ሰማየ ሰማያት ወረደ፣ ካብ
ድንግል ማርያም ተወለደ፣ ፍፁም ሰብ ኮነ።”ይብሉ። እዞም ኣቦ ኣብ ገፅ 51 ድማ መሊሶም
ከምዚ ይብሉ፦ “ካብ ሰብ ወገን ፃዲቕ ኮይኑ ንኻሊእ ገዲፉ ንባዕሉ እኳ ከድሕን ዝኸኣለ ዋላ
ሓደ ኣይነበረን፣ ኩሉ ኣብ እግሪ ፅላል ሞት ውዒሉ እዩሞ፣ ክርስቶስ ግን ስለ ዓለም ኩሉ ቤዛ
ንሙኻንን ንሙማትን ንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ፤ ብሓደ ሰብ በደል ሰብ ኩሉ ከምዝሞተ፣ ብሓደ
ክርስቶስ ሞት ድማ ሰብ ኩሉ ደሓነ። (ሮሜ 5፥17-19)” ኢሎም ይነግሩና።
ንኣዳም መድሓኒቱ መን እዩ?
• ሰብ ንባዕሉ ንምንታይ ከድሕን ዘይከኣለ?
1, ባዕሉ በዳሊ ስለዝኾነ
2, እግዚኣብሄር ሞት ኣብ ልዕሊ ሰብ ስለዝፈረደ ንፍርዲ ኣምላኽ ከልዕል ዝኽእል
ዓቕሚ ስለዘይብሉ
• ሰብ ብናይ ፍጡር ምምላድ (መተዓረቓይነት) ክድሕን ይኽእል ነይሩዶ?
• ሓፅር መልሲ ኣይኽእልን ዝብል እዩ። ምኽንያቱ ሰባት ኩላቶም ናይቲ ዝተፈረደ ፍርዲ ሰለባ
ስለዝነበሩ (ብፍዳ ተታሒዞም) እዮም። እዚ ፍዳ ክሰብር፣ ነፃ ክገብር ዝኽእል ካብ ፈጣሪ
ወፃኢ ድማ ንማንም ኣይተኽኣሎን ኣይኽእልን እውን።
• ብዘመን ሓዲስ እውን እተኾነ ቅዱሳን መላእኽቲ እግዚኣብሄር ኣብ ዝገብሮ ናይ ምድሓን
ስራሕ ተለኣኣኽቲ እዮም፦ ማለት ምሕረትን መዓትን የውርዱ ፀሎትን መስዋእትን ድማ
ብተልእኾ ካብ ሰብ ናብ እግዚኣብሄር የዕርጉ። ቅዱሳን ሰባት እውን ወንጌል የምህሩ፣ ዝደወየ
ብናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ስም ይፍውሱ፣ ስለ እቲ ዝደኸመ ሰብ ድማ ይልምኑን ስለ ባዕሎም
እውን ክልምነሎም ክጥይቑ ንርኢ። ካብዚ ብዝዘለለ ግና ነፍሲ ካብ ሲኦል ከድሕን ዝኽእል
ዋላ ሓደ ፍጡር የለን።
• ድዲስቅልያ 2004 ኣንቀፅ 33 ገፅ 284፦ “ኢትበሉ እንከ ብነ ሓዋርያት እለ ይስእሉ ብእንቲኣነ
ኣላ ዳእሙ ነፅሩ ሥነ ምግባሮሙ። - እምበኣር ስለኣና ዝልምኑልና ሓዋርያት ኣለውና
ኣይትበሉ፤ ናይ ስርሖም የዋህነት ተመልከቱ እምበር።”
• ተግሳፅ ዘዮሃንስ ኣፈወርቅ (1987) ተግሳፅ 1 ገፅ 10፦ “ኣፍቲ (ኣብ ሲኦል፣ ኣብ ገሃነም) ነቶም
ዝሳቐዩ ከድሕኖም ዝኽእል የለን፤ ኣቦ ንወዱ ኣደ’ውን ንጓላ፣ ሓው’ውን ንሓው ከድሕን
ኣይኽእልን፤ ክብርን ምስጋናን ንዑኡ ይኹን እሞ ምንም እኳ፣ ኣብ እግዚኣብሄር ቅድሚ
ዓብይ ተቐባልነት (ሞገስ) ዘለዎ ሰብ ተኾነኳ ሰብ ንሰብ ከድሕኖ ኣይኽእልን” ይብል።
• ኣብ ኣንድምትኡ ሊቃውንት እንተብራህርሁ ድማ፦ “ካብ ሰማዕታት ከም ቅዱስ ጊዮርጊስ፣
ካብ ፃድቃን ከም ኣቡነ ተክለሃይማኖት፣ ከም እንጦንስ ከም መቃርስ ዝበለ ፈታዊ
እንተሃለዎ እኳ ከድሕን ኣይኽእልን” ይብሉ።
ንኣዳም መድሓኒቱ መን እዩ?
መላእኽቲ ድዮም?
መላእኽቲ ንሰብ ምድሓን ኣይኽእሉን፣ ንምንታይ?
• በዳሊ ሰብ ስለዝኾነ፣ ዝኽሕስ እውን ተመሳሳሊ ፍጥረት ክኾን ነይርዎ።
• ስብ ምስ እግዚኣብሄር ምስተብኣሰ ምስ ፍጥረት ኩሉ ስለ ዝተብኣሰ መላእኽቲ እውን ይቕረ
ከድሕንዎ ምስ እግዚኣብሄር ወጊኖም ካብ ገነት ኣባሪሮምዎ።
• ሀ. መላእኽቲ ብደቂሰባት ምምላስ (ምንሳሕ) ከም ዝሕጎሱ (ሉቃ 15፥10)
• ለ. ኣብ ብሉይ ኪዳን ኮነ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ሰባት ንምርዳእ{ንምሕጋዝ} ካብ እግዚኣብሄር
ከም ዝለኣኹ ካብ መከራ ስጋ ከምዘናግፍን (ዕብ 1፥14) ፅሑፍ እዩ።
• ኾይኑ ግን መላእኽቲ ንወዲሰብ ካብ ሓጥያት ኮነ ብሰንኪ ሓጥያት ካብ ዝመፀ ፍዳ ከድሕኑ
ኣይኽእሉን።
• እግዚኣብሄር ንሰብ ባዕሉ የድሕን እምበር ብኣማላዲ ወይድማ ብመልኣኽ ዘየድሕን ሙኻኑ
ይምስክር። “ብመልኣኽ እውን (መልእኽተኛ) ኣይኮነን፣ ብኣማላዲ እውን ኣይኮነን እሱ
ባዕሉ የድሕኖም እምበር።”
ንኣዳም መድሓኒቱ መን እዩ?
• ትንቢተ ኢሳይያስ ትሩጓሜ ገፅ 400 1997 ዓ.ም ፦ “ናይ ኣንድምታ መምህራን ከብራህርሁ ከለዉ
ድማ፦ ‘ኣኮ በመልኣክ ወኣኮ በተንባል’ ዘድሕኖም ብመልእኽተኛ ኣይኮነን፣ ‘ኣላ ለሊሁ
ያድኅኖሙ’ ብሰብዓ ዘመን ( 70 ዘመን ማለት ኣስራኤል ናብ ባቢሎን ተማሪኾም 70
ዓመታት ምሰሕለፉ ማለት እዩ።) እሱ የድሕኖም እምበር፣ ኣንድም ዘድሕኖም ብባዕዲ
ተክህኖ ብባዕዲ ሊቀ ካህንነት ኣይኮነን፤ ብእኡ (ብክርስቶስ )ደም፣ ብእኡ ሊቀ ካህንነት እዩ
እምበር፤ ኣንድም ብኤፉድ ብሎግዩ (ኤፉድን ሎግዮን ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘመን እቲ ሊቀ
ካህናት ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ክኣቱን መስዋእቲ ክስውእን፣ ቃለ እግዚኣብሄር እውን ክጥይቕ
ዝኸደኖም ኣልባሳት እዮም።) ኣይኮነን። ብመስፍን ኣይኮነን፤ እሱ ባዕሉ ሰብ ኮይኑ ስጋ
ለቢሱ የድሕኖም እምበር ኢሎም እዮም።
እዚ እንተኾይኑ መላእኽቲ ንሰብ ምድሓን ዘይከኣልሉ ም/ት፦
• ምድሓን ንፈጣሪ ናይ ባህሪ ገንዘቡ ስለዝኾነ ብፍጡር ስለዘይድሕን። “ኣነ እግዚኣብሄር እየ ብዘይ
ዘኣይ ዘድሕን የለን።” ኢሳ 43፥11
• ነገር ግን ኣብዚ ምድሃን እዚ መላእኽቲ ተለኣኣኽቲ ኮይኖም የገልግሉ እዮም። ንኣብነት፦
• ዳን 3፥28 “. . . ነቶም ባሮቱ መልኣኹ ሰዲዱ ዘድሓኖም፣ እቲ ኣምላኸ ሲድራቅን ሚሳቅን ኣብደናጎን
ይባረኽ።
• ዳን 6፥20-22 “ . ኣምላኸይ መልኣኹ ልኢኹ ኣፍ ኣናብስ ዓፀወለይ ንሳቶም እውን ኣይጎድኡንን።”
• ዮሃንስ ኣፈወርቅ ኣብ ሃይማኖተ ኣበው ምዕራፍ 62 ክፍሊ 2 ቁፅሪ 15-16፦ ዙፋኑ ከቢቦም ካብ
ዝቖሙ መላእኽቲ፣ ካብ ኀይላት ወገን እውን ሊቀ ካህናት ኣይሾመልናን። እሱ እቲ ሓደ ናብዚ ዓለም
ወሪዱ ባህርይና ብህርዩ ገይሩ ሊቀ ካህናት (መተዓርቒ) ኮይኑና እምበር ስለኣና ስግኡ መስዋእቲ ገይሩ
ናብ ኣቡኡ ኣቕረበና፤ በት ዝሓመመሉ ብስግኡ ንዑኡ ገንዘብ ንሙኻን ኣብቀዐና።
• ካብዙይ ኩሉ ነገር እንርደኦ ነገር ፍጥረታት ኩላቶም ካብ ሓጥያትን ብሓጥያት ካብ ዝመፅእ ፍዳን
ከድሕኑና ከም ዘይኽእሉ፣ እዚ ናይ እግዚኣብሄር ናይ ባህሪ ገንዘቡ ሙዃኑ እዩ።
መላእኽቲ ቤዛ (መተካእታ) ኮይኖም ንሙማት ዝኽእልሉ ናይ ሰብ ኣካልን ባህርይን የብሎምን

• ሰብ ንምድሓን ቢዛ (መተካእታ) ኮይኑ ናይ ሰብ ቅፅዓት ምቕባል ይጥይቕ፤ ነዚ እውን እዩ


ወልድ (ክርስቶስ) ናይ ሰብ ስጋን ነፍስን ዝተወሃደ።
• ዕብ 2፥16 “ናይ ኣብርሃም ዘርኢ ደኣ ሒዙ’ምበር ናይ መላእኽቲ ኣይኮነን።”
• እምበር ሰብ ንምድሃን ፍፁም ስብ ፍፁም ኣምላኽ ኮይንካ ምርካብ ናይ ግድን እዩ ማለት
እዩ።
ሀ. ሰብ ተዘይኮይኑ ቤዛ ኮይኑ ክሞተልናን ክኽሕሰልናን ኣይኽእልን።
ለ. ኣምላኽ ተዘይኮይኑ ድማ ካብኡ ምድሓን ክርከብ ኣይኽእልን። በዚ መሰረት ፍፁም
ሰብ ፍፁም ኣምላኽ ዝኾነ ብሰማይ ኮነ ብምድሪ ክርስቶስ ጥራሕ እዮሞ ዘድሓነና ንሱ እዩ።
• ሊቁ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ ኣብ ምዕራፍ 27 ክፍሊ 11 ቁ 6-8፦ ከምዚ የብራህርሆ “
(ክርስቶስ) ኣምላኽ ጥራሕ ተኮይኑማ ከምይ ደኣ ምሓመመ ነይሩ? ከመይ ደኣ ምተሰቐለ
ነይሩ? ወይ ከመይ ምሞተ ነይሩ? እዚ ስራሕ (ሕማም፣ ሞት) ካብ እግዚኣብሄር ዝረሓቐ
እዮሞ። ሰብ ጥራሕ ተዝኾንከ ምስ ሓመመ፣ ምስ ሞተ ንሞት ከምይ ምሰዓሮ ደኣ ነይሩ?
ንኻልኦት ከ ከምይ ጌሩ ከድሕን ነይሩ? እዚ ካብ ሰብ ሓይሊ ንላዕሊ እዩ እሞ። እሱ ሓሚሙ
ሞይቱ ፍጥረቱ ኣድሒኑ፣ ንሞት እውን ሰዓረ፣ እግዚኣብሄር እዩ’ሞ፣ ድማ ሰብ እዮሞ (ፍፁም
ሰብ ፣ ፍፁም ኣምላኽ እዩ’ሞ)። በዚ ምስጢረ ተዋህዶ መሰረት መላእኽቲ ሰብ እውን
ኣምላኽ እውን ስለዘይኮኑ ካብዚ ምድሓን ብኣፍኣ እዮም።
ንኣዳም መድሓኒቱ መን እዩ?
ናይ ኦሪት መስዋእቲ ድዩ?
መስዋእትና ኣየድሓነናን፣ኣየድሕነናን እዉን።
መስዋእቲ ማለት፦ ሰብ ንኣምላኹ ዘቕርቦ ዝስዉኦ ነገር ማለት እዩ።
መስዋእቲ ብዝተፈላለዩ መንገድታትን ንዝተፈላለዩ ዓላማን ዝቐርብ እዩ።
ስለ ብሉይ ኪዳን መስዋእቲ ዝተወሰነ ንመልከት
ናይ ብሉይ ኪዳን መስዋእትታት ካብ ስጋ፣እኽልን ዝስተን ዝቐርብ እዩ።{ዘ.ሌ 1፡5}
እቲ መስዋእቲ ካብ እንስሳ ዝቐርብ እንተኾይኑ ዞም ዝስዕቡ ነገራት ይከናወኑ ኔሮም፦
1, እቲ እንስሳ ጉድለት ዘይብሉ ንፁህ ክኾን ኣለዎ። ዘ.ሌ.22፡24/1ጴ.ሮ1-18-19
2,እቲ መቕረቢ ኣፍቲ ርእሲ እንስሳ ኢዱ ይፅዕን፣በዚ መንገድዚ እቲ በደል ካብቲ ሰብ ናብቲ
እንስሳ ይመሓላለፍ {ዘ.ሌ 1፡4} እዚ ማለት እቲ መዋእቲ መቕረቢ በደለኛ ሓጢኣቱ ነቲ እንስሳ
የሸክሞ። ዘ.ሌ 16፡21/1ጴ.ጥ 2፡24
3,እቲ መቕረቢ ይሓርዶ፣ኣብክንድኡ ድማ እቲ እንስሳ ናይ ሓጢኣት ደመወዝ ዝኾነ ሞት
ከምዝተቐበለሉ ይቑፀር። ሮ.ሜ 6፡23 / ዕ.ብ 9፡28
4,እቲ ካህን ናይቲመስዋእቲ ደም ናብ እ/ር ሒዙ ይቐርብ። ዘ.ሌ 1፡5 /ዕ.ብ 9፡12
5,እቲ ካህን ከምንቲ ናይቲ መስዋእቲ ዓይነት ዝተፈላለዩ ናይቲ እንስሳ ኣካል ብሓዊ የቃፅሎ።
{ዘ.ሌ 1፡5} እዙይ እዉን ባዕልኻ ንእ/ር ከም ምቕራብ ይቑፀር።{ሮ.ሜ 12፡1}
6,እቲ ካህን ወይ እቲ መቕረቢ {ከም መስዋእቱ ዓይነት ይፈላለ እዩ} ኣብ ደብተራ ኦሪት
ዉሽጡን ከባቢኡን ነቲ መዋእቲ ይበልዕዎ።{ዘ.ሌ 6፡26}
ናይ ብሉይ ኪዳን መስዋእትን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መስዋእትነትን ኣፈላላይ
ናይ ብሉይ ኪዳን መስዋእቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን መስዋእትነት
ሓድሽ ኪዳን እስካብ ዝመፅእ ዝተውሃበ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደም እዩ። ማ.ቴ 26፡26
እዩ። ዕ.ብ 9፡9 ዘይጠፍእ እንጀራ{ስጋ ኣምላኽ} እዩ።ዮ.ሃ
ብዝብላዕን ዝስተን ዝግበር ናይ ስጋ ስርዓት 6፡27
ጥራሕ እዩ። ዕ.ብ 9፡9 ነውሪ ዘይብሉ ስለዝኾነ ንእ/ር ምምላኽ
ነቲ መስዋእቲ ኣቕራቢ ብሕሊና ፍፁም ምእንቲ ክንክእል ንሕልናና ካብቲ ሞት
ክገብሩዎ ኣይከኣሉን ነይሮም። ዕ.ብ 9፡10 ዘስዕብ ግብሪ የንፅሀና። ዕ.ብ 9፡14
ስጋ ንምንፃህ ዝቐርቡ ብኣጣል ፣ኣባጊዕን ሕልናና ንምንፃህ ዝወረበ ናይ ክርስቶስ
ንዝራብዓት ደም ነይሩ። ዕ.ብ 9፡12-13 ደም እዩ። ዕ.ብ 9፡14
ናይ ብሉይ ኪዳን መስዋእትን ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መስዋእትነትን ኣፈላላይ
ናይ ብሉይ ኪዳን መስዋእቲ ናይ ሓድሽ ኪዳን መስዋእትነት
ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ጥራሕ እዩ ዘንፅህ። ኣብ ሰማያት ንዘለዉ ዘንፀሀን ኣዝዩ
ዕ.ብ 9፡23 ብጣዕሚ ዝኸበረን መስዋእቲ እዩ።
በቢ ዕለቱ ወይ ድማ በቢ ዓመቱ እዩ ዕ.ብ 9፡26
ዝቐርብ{ዝስዋእ}እዩ። ዕ.ብ 9፡25/10፡11 ሓደ ግዘ ጥራሕ ዝተሰወኣን ንዘልኣለም
ሓጢኣት ከወግዱ ኣይከኣሉን። ዕ.ብ 10፡4 ስርየት ዝህብን መስዋእቲ እዩ። ዕ.ብ 9፡26
ዝተፈላለዩ ዓይነታት መስዋእቲ ደኣ ንሕና ብናይ ክርስቶስ ደም ተቐዲስና
እምበር ሓደ ጥራሕ ኣይነበረን። ኢና።ዕ.ብ 10፡9
እቲ መስዋእቲ ሓደ ክርስቶስ ጥራሕ
እዩ፣ዝቐረበ{ዝተሰዉኣ} እዉን ሓድ ግዘ
እዩ።
ወድ ሰብ ካብ ምንታይ እዩ ድሒኑ?
1, ካብ ሰይጣን ባርነት
ወድ ሰብ ብሓጢያት ምስወደቐ ናይ ሰይጣን ፍቓድ ፈፃሚ ኾይኑ ፣
በዚ ም/ት ድማ ናይ ባዕሉ ወይ ድማ ናይ ፈጣሪኡ ፍቓድ ምግባር ዘይኽእል ባርያ ኮይኑ ፣ ናይ
ሰይጣን ፍቓድ ድማ ሓጥያት እዩ ።
ዮ.ሃ 8፡44፦ ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኻትኩም ዲያብሎስ ኢኹም ፣ ድልየት እቲ ኣቦኻትኩም
ክትገብሩ ኢኹምዉን ትደልዩ ዘለኹም።
ወዲ እ/ር ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋ ምስተገለፀ ግና ካብዚ ናይ ሓጢኣት ባርነት ነፃ ኣውፀኣና።
ዮ.ሃ 8፡36፦ ወልድ ሓራ እንተውፂኡኩም ብሓቂ ሓራ ዝወፃኹም ክትኮኑ ኢኹም።
ቆ.ላ 1፡13 ፦ ንሱ ካብ ናይ ፀልማት ስልጣን ኣውፀኣና፣ ናብታ መንግስቲ ፍቑር ወዱ እዉን
ኣእተወና።
ወድ ሰብ ካብምንታይ እዩ ድሒኑ?
2, ካብ ሓጢኣትን ብምኽንያትን ሓጢኣት ካብ ዝመፀእ ፍዳን {ሞት}
ማ.ቴ 1፡21 ፦ ንሱ ንህዝቡ ካብ ሓጢኣቶም ከድሕኖም እዩ።
ሮ.ሜ 8፡1 ፦ ነቶም ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ፣ኩነኔ የብሎምን። እቲ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ
ዘሎ ናይ ህይወት መንፈስ ሕጊ ፣ ካብቲ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ፣ ሓራ ኣውፂኡና እዩሞ።
ወድ ሰብ ካብምንታይ እዩ ድሒኑ?
• 1, ተፈሪዱሉ ዝነበረ ናይ ሞት ፍርዲ ተወጊዱሉ፣ተመንጢሉ ዝነበረ ህይወት ተመሊሱሉ።
• 2,ናብ ናይ እ/ር ቅዱሳን{መላእኽቲ} ሕብረት ተመለሰ፣ ሰላም ረኸበ።
• 3,ዉልድነቱ ተመለሰሉ።
• 4,ስልጣን ረኸበ {እኩያት ፍትወታት ኣይስዕርዎን}።
• 5,ፈጣሪኡ ንኽፈልጥ ተገበረ{ቅድሚ ሐዚ ፈጣሪኡ ረሲዑ ጣዖታት ምምላኽ ጀሚሩ ነይሩ}።
ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛና ኢዩ።
• ቤዛ ማለት ዝተትሓዘካ ወይ ድማ ዝተወሰደካ ነገር ንምምላስ ዝኽፈል ዋጋ፣ካሕሳ ወይ ድማ
ለውጢ ማለት እዩ።
• ዋጋ ብምኽፋል ወይ ድማ ባዕልኻ ብምትካእ ዝተወሰደ ክተምልስ ከለኻ፣
• ገና ክውሰደካ ዝተዘጋጀወ ምንም ነገር ከይተወሰደ ምቕራይ፣ ቤዛ ሙኻን ይበሃል።
• ቤዛ ሙኻን ኣብ ናይ መፅሓፍ ቅዱስ ት/ቲ 4 ነገራት የመልክት ፦
1,ንድኻ ቤዛ ሙኻን
2, በኹሪ ዉላድ ወይ እንስሳ ቤዛ ሙኻን
3, ንእሱር ቤዛ ሙኻን
4, ናይ ነፍስና ቤዛ
ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛና ኢዩ።
1,ንድኻ ቤዛ ሙኻን ዘ.ሌ 25፡23
ምድሪ ነንሕድሕድ እሳራኤላዊ ዝተውሃበ ዉህብቶ ስለዝኾነ ምሻጥ ምልዋጥ
ኣይከኣልን። ሓደ እሳራኤላዊ ደኽዩ መሬቱ {ርስቱ} እንተሸይጡ ‘ኳ፣ ናይ ቀረባ
ዘመዱ ሙሉእ ንሙሉእ ዋግኡ ከፊሉ ከምልሰሉ ይግባእ ነይሩ። እዚ ቤዛነት
ይበሃል።
በዚ ኣገላልፃ እዚ ቤዛ ሙኳን ማለት ዝተወሰደ ነገር ሙሉእ ዋግኡ ከፊልካ
ምምላስ ማለት እዩ ።
ቤዛ ሙኳን ኩሉ ጊዜ ንኻልኦት ምፍቃር ወይ ድማ ንኻልኦት ምሕሳብን
ንኣኣቶም ምንባርን ይጥይቕ እዩ።
ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛና ኢዩ።
2, በኹሪ ዉላድ ወይ እንስሳ ቤዛ ሙኻን
እስራኤላዉያን ካብ ግብፂ መግዛእቲ ሓራ ዝወፁ እቲ ናይ መጨረሻ መቕዘፍቲ “ሞተ በኩር”
ምስተፈፀመ እዩ ዘ.ፅ 12፡29-36። እዚ ንምስትዋስን ናይ ክርስቶስ ቤዛነት ብኣብነት
ንምስባኽ ክከኣል እ/ር በኹሪ ኹሉ ንዕኡ ክወሃብ ስርዓት ሰርዐ።
ሰብ ኣገልጋሊ፣ እቲ እንስሳ ድማ መስዋእቲ ይኾን ነይሩ።
እቲ እንስሳ ንፁህ እንተኾይኑ ይስዋእ ፣ተዘይኮይኑ ድማ ብኻሊእ ይልወጥ፣እዚ ተዘይ ኮይኑ
ድማ ብገንዘብ ተሸይጡ ንቤተ-መቅደስ ይወሃብ ነይሩ ።
ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛና ኢዩ።
ናይ ሰብ በኹሪ ዉላድ ድማ 2 ኣማራፂ ነይሩዎ ፦
1, ንእ/ር ተውሂቡ ደብተራ ኦሪት ወይ ድማ ቤተ-መቅደስ ከገልግል።
2, ተመጣጣኒ ዋጋ ተኸፊሉሉ ከም ማንም ሰብ ይነብር ነይሩ።
እዚ ቤዛነት ሙሉእ ዋግኡ ከፊሉ ወይ ተኪኡ ክውሰድ ዘለዎ ነገር ምትራፍ፣ወይ ናይ ባዕልኻ
ምግባር የርኢ።
ክርስቶስ ክንዳና ፣ከም ዝተረገመ ሰብ ኮይኑ፣ካብ ናይ ሕጊ መርግም ተቤዘወና ።
ገ.ላ 3፡13-14/ 1ጴ.ጥ1፡18/ራ.እ 5፡9
ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛና ኢዩ።
3, ንእሱር ቤዛ ሙኻን
ኣብ ቤት ማእሰርትን ኣብ ባዕዲ መግዛእቲ ንዘለዉ ሰባት ነፃ ክኾኑ ምግባር ቤዛ ሙኻን
ይበሃል። እ/ር ንእስራኤል ካብ ግብፂ ባርነት ነፃ ዘውፅኣሉ ታሪክ ምብዛይ ዝበሃል እዉን
ነዙይ እዩ።
ዘ.ፅ 15፡13 ፦ ብሕያዋይነትካ ንዝተቤዘኻዮም ህዝቢ መራሕኻዮም።
ስለዚ ቤዛነት ባዕላቶም ነፃ ክወፁ ንዘይከኣሉ ሰባት ነፃ ምውፃእ እዩ። ንሕና ብህይወትና ኩሉ
ደኺምና ካብ ናይ ሓጢያት ባርነት ንባዕልና ነፃ ክነዉፅእ {ክነድሕን}ኣይከኣልናን ፣ ካልኦት
ፍጡራን እዉን ከድሕኑና ኣይከኣሉን ነይሮም።ምእንትዙ እ/ር ሓደ ወዱ ብስጋ ልኢኹ ካብ
ሓጢኣት ፣ ካብ ሕጊ ርግማን ፣ ካብ ሞትን ካብ ሰይጣን መግዛእትን ነፃ ኣዉፂእና ። እዚ
ምድሓኑ እዚ ድማ ምብዛይ{ቤዛ ሙኻን} ይበሃል።
ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛና ኢዩ።

4, ናይ ነፍስና ቤዛ
እዚ ምብዛይ እዚ ከም እሱራትን ከም ድኻታትን ብገንዘብ ክፍፀም
ዝኽእል ኣይኮነን።
ባዕልኻ ተተካኢ ብምግባር ዝፍፀም ናይ መተካእታ ምብዛይ ስለዝኾነ
መተካእታ {ለውጢ} ይበሃል።
ማ.ቴ 16፡26፦ ሰብ ቤዛ ነፍሱ እንታይ ምሃበ?
ኢየሱስ ክርስቶስ ቤዛና ኢዩ።
ሰብ ኣብዚ ዓለም ዝርከብ ኩሉ ተገዘኣ ‘ኳ፣ንነፍሱ ቤዛ ምሃብ ኣይኽእልን።
ንሰብ ቤዛ ንሙኳን ህይወት ጥራሕ እኹል ኣይነበረን ፣ ንኹሉ ህይወት ቤዛ ዝኾንን ብናይ ባዕሉ
ሓጢያት ዘይጥየቕን ንፁህ ቤዛ ምርካብ ግድን ነይሩ።
እዚ መለክዒ ከማልእ ዝኽእል ፍጡር ስለዘየለ ድማ እ/ር ንወዱ ቤዛ ገይሩ ለኣኾ።
ሐዚ ንዝኣምን ኩሉ ዝኾነ ናይ ቤዛነት ስርዓት እዚ እዩ፣ ብርሃነ ዓለም ጳዉሎስ እዚ እንትገልፅ
ከምዚ ይብል፦
ሮ.ም 3፡23-24፦ኩሎም እቶም ዝኣምኑ፣ኣብ ቅድሚ እ/ር ዝፀድቁ፣ብኢየሱስ ክርስቶስ
ብምእማን እዩ፣ኣብዙይ ኣፈላላይ የለን።ኩሎም በዲሎም እዮም፣ክብሪ እ/ር ከዓ ጎዲሉዎም
እዩ።ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፣ብኸምኡ ብፀግኡ ይፀድቁ እዮም እሞ። ብምባል
ቤዛነት ናይ እ/ር ፅድቂ ንደቂ ሰባት ብእምነት ዝተውሃበሉ ናይ እ/ር ፀጋ ሙኻኑ
የመልክተና።
ሰብ ዝደሓነ ከመይ እዩ?
እስካብ ሐዚ ንሰብ ባዕሉ ኾነ ካልኦት ኣካላት ንሰብ ከድሕንዎ ከምዘይከኣሉ ተመልኪትና
ኢና፣ሐዚ ድማ ስለ’ቲ ዓለም ንምድሓን ደሙ ዘፍሰሰልና ህያው ኣምላክና መድሓኒትና
‘ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምድሓን ስራሕን’ ‘ንምንታይ ከምዝደሓናን’ ክንምልከት ኢና።
ክርስቶስ ከመይ ኣድሒኑና?
ሮ.ሜ 5፡10፦ንሕና ፀላእቱ እተለና፣ምስ እ/ር ብሞት ወዱ ተዓረቐና።
ቆ.ላ 1፡21፦ቀደም ካብ እ/ር ዝረሓቕኩም፣ብሓሳብኩምን፣ብኽፋእ ግብርኹምን፣ፀላእቱ
ነበርኩም።ንሱ ግና ነውርን ነቐፋን ዘይብሎም ቅዱሳን ገይሩ፣ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ
ከቑመኩም፣ብሞት ስጋዊ ሰብነት ወዱ ገይሩ ተዓረቐኩም።
1ጴ.ጥ 2፡24 ፦ ንሓጢኣት ሞይትና ንፅድቂ ምእንቲ ክነብር፣ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ
መስቀል ዝተሰቐለ ሰብነቱ ፆሮ፣ብቑስሉ ኢኹም ዝሓወኹም።ከም ዝጠፍኡ ኣባጊዕ ከርተት ትብሉ
ኔርኩም።ሕዚ ግና ናብቲ ጓሳኹምን፣ሓላዊ ነፍስኹምን፣ተመሊስኩም ኣለኹም።
ንምንታይ ድሒና?
ምድሓና ዝተረኸበ ብናትና ስራሕን ፅቡቕ ግብርን ኣይኮነን። እ/ር ንወዲ ሰብ
ካብ ሞት ናብ ህይወት ዘሰጋገሮ ንዕኡ{እ/ር} ዘሐጉስ ከምኡ ንኽገብረሉ{ከድሕኖ}
ዘብቅዖ ዝተቐደሰ ህይወት ስለዝነበሮ ኣይኮነን። ብኦርቶዶክሳዊ ኣስተምህሮ ሰብ
ዝደሓነ ብእ/ር ምሕረት{ፀጋ} እዩ። . . . . ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም።እዙይ ከዓ
ውህብቶ እ/ር እዩ እምበር፣ካባኻትኩም ኣይኮነን።
{ዲ/ን ያረጋል ኣበጋዝ ቃል ኪዳን በነገረ ድህነት /2006 ገፅ 72}

መሊሱ ድማ ኣብ ገፅ 73 ‘ዝፈተወና ብምሕረቱ እምበር ንኽፈትወና ዝገብር ሰናይ


ስራሕ ስለዝነበረና ወይ ድማ ንሕና ስለዝፎተናዮ ኣይኮነን’። ክብል ምድሓና ናይ
ኣምላኽ ፀጋ ሙዃኑ ይፅሕፍ። {ቲ.ቶ 3፡3-5 / ዮ.ሃ 3፡16}
ሰባት ንኽድሕኑ ታይ ክገብሩ ኣለዎም
“ድኂን” ዝብል ናይ ግእዝ ቃል፦
ምድሓን ፣ ድሕሪ ምትሓዝካ ምምላጥ ፣ ከይተትሓዝካ ምቕራይ ፣ ምትራፍ ፣ ምጥንቃቕ ፣
ምኽልካል ፣ ብህይወት ምንባር ፣ ምሕዳስ ፣ ምልምላም { ሓጋዚ ፣ ረዳኢ ፣ ጠበቓ ፣ ዋሕስ ፣ መድሕን
ምግናይ} ተብሂሉ ከምዝትርጎም ኣብ ላዕሊ ተመልኪትና ኢና።ኪ.ወ.ክፍሌ/መ.ሰዋስዉ 1948 ገፅ 343

ዲ/ን ያረጋል ኣበጋዝ ድማ ድሕነት ማለት ታይ ማለት እዩ ንዝብል ከምዚ ይገልፆ ፦


ድሕነት እንትንብል ብሓጢኣት ምኽንያት፣ ንዝወደቐን ንዝጎስቀለን ወዲ ሰብ ካብ ዝበፅሖ
ድቀትን{ዉድቀት} ሞትን ሙሉእ ብሙሉእ ነፃ ምዉፅኡን ስኢንዎ ዝነበረ ፀጋ ምግናዩን፣
መጀመርያ ቅድሚ ምብዳሉ ናብ ዝነበሮ ኩነታት{ካብኡ ናብ ዝበለፀ ደረጃ} ምምላሱ ማለትና
እዩ።{ቃል ኪዳን በነገረ ድኅነት 2 እትም 2006 ዓ.ም ዲ/ን ያረጋል ኣበጋዝ}
ምድሓን ማለት፦ናይ እ/ር በረከት ምቕባልን ብእኡ ምሕጓስን እዩ ።
{የመ/ቅዱስ መ/ቃላት 1992 ገፅ 229}
ድሕነት ማለት ፦መብዛሕትኡ ግዘ ሓድሽ ህይወት ምቕባልን ካብ ሓጢኣት ምድሕንን
ማለት እዩ።እዚ ከዓ በቲ ስጋ ዝለበሰ ብወዲ እ/ር ብምእማን ዝግነ እዩ።
{የመ/ቅዱስ መ/ቃላት 1992 ገፅ 229}
ሰባት ንኽድሕኑ ታይ ክገብሩ ኣለዎም
1,ሰብ ንኽድሕን ኣሚነ ሥላሴ ክህልዎ ይግባእ፦ ብኣብ ብወልድ ብመንፈስ ቅዱስ
ሓድነትን ሰለስትነትን ክኣምንን፣ካዞም 3 ኣካላት እቲ ሓደ እ/ር ወልድ ካብ ሰማይ ምውራዱ
ካብ እምበይትና ድንግል ማርያም ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ከምዝተወሃደ
ምእማን ይግባእ።
2, ክርስቶስ ንሰብ ከምዘድሓነ ምእማን ፦
ናይ ወዲ እ/ር {ክርስቶስ} ሞት ዕላማ፣ነቶም ዝኣምኑዎ ኩሎም ናይ ዘልኣለም ህይወት
ንኽህልዎም እምበር ከይጠፍኡ ምዃኑ ምርዳእ።
ዮ.ሃ 3፡16 ፦ ‘ኩሉ ብእኡ ዝኣምን፣ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር
ከይጠፍእስ፣ እ/ር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ክሳዕ ዝህብ፣ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ።’ እዚ ናይ
ወንጌል ቃል ሰሚዑ ንዝጥቀም ካብ ምጥፋእ ዘድሕን ቃል እዩ፣እዚ ሰሚዑ ዝኣምን
ኣይጠፍእን።
ሰባት ንኽድሕኑ ታይ ክገብሩ ኣለዎም
3,ሓጢኣተኛነቶም ክኣምኑ ኣለዎም፦
 ሰብ ኩሉ ሓጢኣተኛ እዩ።
1ዮ.ሃ 1፡8 ፦‘ሓጢኣት የብልናን እንተበልና፣ ንባዕልና ነታልል፣እቲ ሓቂ እዉን እባና የለን።’
ሮ.ሜ 3፡9፦ ‘እንታይ ደኣ ይኹን፣ካብኣቶም እነሐሸሉ ዶ ኣለና? የብልናን፣ኣይሁድ ኮኑ ኣህዛብ
ኩላቶም፣ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እዮም ኢልና ኣቐዲምና ኸሲስናዮም ኢና።’
 በዚ መሰረት ሰብ ሓጢኣቱ ተፈሊጡ፣ብንስሃ ናብ እ/ር ክምለስ ይረድኦ እዩ።
ሰባት ንኽድሕኑ ታይ ክገብሩ ኣለዎም
4,ኣሚኖም ክጥመቑ ኣለዎም፦
ማ.ር 16፡16፦እቲ ዝኣመነን ዝተጠመቐን፣ክድሕን እዩ። እቲ ዘይኣመነ
ግና ክኹነን እዩ።
 ነስተዉዕል ፦ ዝተጠመቐ ጥራሕ ኣይኮነን፣ ኣሚኑ ዝተጠመቐ እዩ
ዝድሕን።
5,ናይ ክርስቶስ ስጋን ደምን ክቕበሉ ኣለዎ፦
ዮ.ሃ 6፡54 ፦ ስጋይ ዝበልዕ ደመይ እዉን ዝሰቲ ናይ ዘልኣለም ህይወት
ኣለዎ፣ኣነዉን በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ይብል።
ሰባት ንኽድሕኑ ታይ ክገብሩ ኣለዎም
ቅዱስ ቁርባን፣ ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ንባዕሉ ‘ሓደ ጊዜ ፈፂሙ ብምቕራብ’ {ዕ.ብ
10፡10}ኹሉ ነገርና ዝቐደሰሉ ስርዓት እዩ።
በቢ ዕለቱ ካህናት ብዝቐደሱ ቁፅሪ ብተደጋጋሚ እቲ መስዋእቲ ዋላ ተቐረበ፣ሓደ ጊዜ ኣብ
ቀራንዮ ዝተሰወአ መስዋእቲ እዩ። {ቀሲስ ዶ/ር መብራህቱ ኪሮስ 2012 /ኣኮቴተ ቁርባን/ገፅ 7 }
 { የኢ/ያ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ያን የእምነት የሥርዓተ ኣምልኮና የዉጭ ግንኙነት መፅሓፍ ገፅ 36/37 }
ኣብ ዝብል መፅሓፍ ድማ ከምዚ ይብል፦ቅዱስ ቁርባን ‘ሰብ ንእ/ር ዘቕርቦ ከይኮነስ
እ/ር ንሰብ ዘቕርቦ እዩ’ኢሉ ክርስቶስ ሓደ ጊዜ ንደቂ ሰባት ዝኸፈሎ ዋጋ ሙዃኑ
ይነግረና።
ናይ መለኮት ክብሪ ተኻፋላይ ሙኻን{Theosis}
 “ሰብ ምእንቲ ኣምላኽ ክኾን ኣምላኽ ሰብ ኮነ”
ዝብል ትምህርቲ ካብ ካልኣይ ሚእቲ ዓመት መጀመርያ ሄሬኔዎስ ካብ ዝተልዓለሉ ጊዜ ጀሚሩ
ብኒ ኣትናቴዎስ ዘእስክድርያ፣ጎርጎርዮስ ዘኑሲስን ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ ተደጋጊሙ ተላዒሉ
እዩ።
ቅዱስ ባስሊዮስን ቅዱስ ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮትን ከምዝብሉዎ ፦
ሥጋዌ ኣምላኽ ሰብ ዝኾነሉ ምስጢር ከምዝኾነ ኹሉ፣ቴዎሲስ ድማ ሰብ ኣምላኽ ዝኾነሉ
መንገዲ እዩ ይብሉ።
ናይ መለኮት ክብሪ ተኻፋላይ ሙኻን{Theosis}
ቴዎሲስ ፣ ሰባት ምስ እ/ር ሓደ ምእንቲ ክኾኑ ንቕድስና ዝተፀውዕሉ ፃዉዒት እዩ።
ቴዎሲስ ፣ ንእ/ር ዘምልኽ ሰብ ካብ ሓጢኣት ነፃ ዝኾነሉን ምስ እ/ር ሓደ ዝኾነሉን ናይ
መንፈሳዊ ዕብየት ከይዲ እዩ።
ቴዎሲስ ፣ ሰብ ናይ እ/ር {ሥላሴ} ክብሪ ንኽወርስ ከምዝተፈጠረ የምህር ።ትሩጓሜና እዚ
እንተብራህርህ ፦
”ክብሩ ኣብ ባህሪኡ ከምዝቐረየ ፈሊጡ ፣ እዚ ዓለም ክፈጥር ኢሉ ሓሲቡ ፣ ሓሲቡዉን
ኣይቀረየን ። ሰብን መላእኽትን ስሙ ንምቕዳስ ክብሩ ንምዉራስ ክፈጥር ከሎ ካልኦት
ፍጥረታት ንኣንክሮ ንተዘክሮ፣ንምግበ ስጋ ንምግበ ነፍሲ ፈጢሮዎም።
{መ/ብሉያት 2ቱ እሉ እሙንቱ ኦሪት ዘፍጥረት ኦሪት ዘፅኣት ኣንድምታ ትርጓሜ 1999 ዓ.ም
ገፅ 4}
ናይ መለኮት ክብሪ ተኻፋላይ ሙኻን{Theosis}
 እዚ ጥቕሲ እዚ ነዚ ት/ቲ ዋና ዘገልግል እዩ ፦
2ይ ጴ.ጥ 1፡4 ፦ ኣብ ዓለም ካብ ዘሎ ኽፋእ ትምኒት ዘስዕቦ ጥፍኣት ኣምሊጥኩም፣ተኻፈልቲ
መለኮታዊ ባህሪኡ ዄንኩም።
 ናይ ቤ/ን ኣቦታት “ቴዎሲስ” ‘ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ሓጢኣት ቅድሚ ምውዳቖም ናብ ዝነበረ
ክብርን ቦታን ምምላስ’ ፣ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝለዓለ ትርጉም ይህብዎ። ብኣካላዊ ቃል ሥጋዌ
ምኽንያት ሐዚ ብክርስቶስ ዝኣምኑ ሰባት ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ከለዉ ካብ ዝነበሮም
ዝበለፀ ምስ እ/ር ሕብረትን ቅርበትን ኣለዎም።
ናይ መለኮት ክብሪ ተኻፋላይ ሙኻን{Theosis}
እዚ ካብ መለኮት ክብሪ ተኻፋላይ ሙኳን ዝግለፅ ምስ እ/ር ብሕብረት ብምንባር ፣
ብህይወትን ብውህብቶኡን ብምስታፍ ወይ ድማ እቲ ኣምላኽ ዝመስለሎም ነገራት ካብ
ኣምላኽ ብምግናይ ጥራሕ ምስዝከኣል እዩ።
ብሥጋዌ ናይ ሰብ ባህርይ ብዘይልወጥ መልክዑ ምስ ናይ እ/ር ባህርይ ተዋሂዱ እዩ።
ናይ መለኮት ክብሪ ተኻፋላይ ሙኻን{Theosis}
ሄሬኔዎስ [120-202] ከምዝብሎ፦
“ቃል ስጋ ዝኾነ ሰባት ኣማልኽቲ ምእንቲ ክኾኑ እዩ” ሰባት ብናይ እ/ር ፀጋ ብክርስቶስ
እንትኣምኑ ናይ እ/ር ዉሉዳት ይኾኑ።
ቅዱስ ኣትናቴዎስ ዘእስክንድርያ ድማ፦
“ቃል ስጋ ዝኾነ ብናቱ ስጋዌ ንዓና ኣምላኽ ክገብረና እዩ።”
ኣረጋዊ መንፈሳዊ ድማ ፦
“ተወልደ በኣምሳሊከ ከም ይለድከ በኣምሳሊሁ”።
‘ብናቱ ኣምሳል ክወልደካ እሱ ብናትካ ኣምሳል ትወሊዱ’ ይብል።
ናይ መለኮት ክብሪ ተኻፋላይ ሙኻን{Theosis}
ቅዱስ መቃርዮስ እዉን ፦
“ናይ መንፈስ ቅዱስ መሕደሪ ዝኾኑ ነፍሳት ናይ መለኮታዊ ክብሪ ተኻፈልቲ ብሙኳኖም
መለኮታዉያን ይኾኑ” ኢሉ የምህር።
መለኮታዊ ማለት መለኮት ምስ ሙኻን ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ። ታይ ደኣ “ናይ መለኮት ወገን
፣ናይ መለኮት ክብሪ ተኻፋሊ” ማለት እዩ።
መለኮት ሓደ እዩ ናይ መለኮት ክብሪ ተኻፈልቲ ግና ብዙሓት እዮም።
ናይ መለኮት ክብሪ ተኻፋላይ ሙኻን{Theosis}
ማክሲሞስ ፦
‘ናይ ሰብ ምድሓን{ዝደሓነ} ብፀጋ እምበር ብባህሪኡ ስለዘይኮነ ሥግዉ ቃል ፍፁም ሰብ
ፍፁም ኣምልኽ ከምዝኾነ ዋላ ተተፈለጠ፣ ኣባና ናይ መለኮት ክብሪ ዝሓድር ግን ብፀጋ እዩ።
ስለዚ ሰባት ናይ መለኮት ክብሪ ተሳተፍቲ ይኾኑ ክበሃል ከሎ ኣምላኽ ይኾኑ ማለት ከይኮነስ
ናይ ኣምላኽ ፅጋ ተቐቢሎም ብመለኮታዊ ክብሪ ተሳተፍቲ ይኾኑ ማለት እዩ’ ይብል ።
ኣብ ቴዎሲስ ዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ምስትዉዓል የድሊ።
1, ቴዎሲስ ማለት ሰባት እ/ር ብምምሳል ይዓብዩ ፣ በዚ ድማ ናይ እ/ር መልክዕን ምሳሌን
ኮይኖም ነቲ ዝተፈጠሩሉ ዕላማ ሓቂ ይገብሩዎ ማለት እምበር ፣ ሰባት ብባህሪኦም ኣምላኽ
ይኾኑ ማለት ኣይኮነን።
2, ቴዎሲስ ናይ ኣምላኽ ሓይሊ ምግናይ [ምክፋል] ምቕዳስ እምበር እቲ ባህሪ ባዕሉ ሙኳን
ኣይኮነን። እ/ር ብኣምላኽነት ባህሪኡ ፍሉይ እዩ፣ በዚ መዳይ ኣብ ሰብን እ/ርን ኣብ ፈጣርን
ፍጡርን ማእኸል ዘሎ ኣፈላላይ ንዘልኣለም ከምዘሎ ይቕፅል።
3 ቴዎሲስ ሰብ እ/ር ናብ ምምሳል ይዓቢ ዝብል ት/ቲ ዋላ ተኾነ፣ ሰብ ሓጢኣት ክሰርሕ
ኣይኽእልን ማለት ግን ኣይኮነን።
4, ቴዎሲስ መጀመርታ እምበር መወዳእታ የብሉን፣ ም/ቱ እ/ር ዝዉሰን ስለዘይኮነ ፣ ናትና
ንዕኡ ናይ ምምሳል ከይዲ እዉን ወሰን የብሉን።
ኢየሱስ ክርስቶስ መተዓረቒና እዩ
 ብናይ መፅሓፍ ቅዱስ ት/ቲ መላእኽቲ ንደቂ ሰባት {ዘ.ካ 1፡12}፣ ሰብ እዉን ንሰብ ፀሎትን
ምምላድን የቕርቡ እዮም ፣ ኣብርሃም ንኣቤሜሌክ {ዘ.ፍ 20} ፣ እዮን ን3 ብፆቱ {እዮብ 42}
ሙሴ ንእስራኤል { ዘ.ፅ 32}።
 ኣብዞም ጥቕስታት ቅዱሳን ለሚኖም ሓጢኣተኛ ምስ ፈጣሪኡ ከተዓርቑ ንምልከት። ነገር
ግን ልዕል ኢልና ኣብ ዝረኣናዮም ጥቕስታት ፣ እቶም ዝፀለዩ ቅ/ሰባት ኮኑ ቅ/መላእኽቲ
ዘግንይዎ ነገር እንታይ እዩ? ተተባሂሉ ፦ ነቶም ዝተፀለየሎም ኣካላት ስጋዊ ፈውሲ {ካብ ናይ
ስጋ ሞት ምድሓን} እዩ፣ ንሓጢኣትን ብሓጢኣት ምኽንያት ካብ ዝመፅእ ሞትን ግን
መፍትሒ ኣይረኸቡን።
 ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መተዓረቓይነት ግና ሓጢኣትን ብሰንኪ ሓጢኣት ዝመፀ ሞትን{ፍዳ}
ዘጥፍእ ኣብ ሞንጎ ሰብን እ/ርን ዝነበረ ናይ ፅልኢ መንደቕ ዘፍርስ ፣ ናይ ቅዱሳን ፀሎት
ተሰማዒ ንክኸዉን ዝገበረ እዩ።
 ኣብ ብሉይ ኪዳን ሓደ ሓጥእ ንበደሉ ምሕረት እንትደሊ ስለ እቲ ሓጢኣተኛ {ኣብክንዲ እቲ በደለኛ
ዝስዋእ} ቤዛ ዝኾን መስዋእቲ ኣዳልዩ ናብ ሊቀ ካህናት ይቐርብ ነይሩ ፣ እቲ ሊቀ ካህናት ድማ
ስለቲበደለኛ ናብ እ/ር እናለመነ እቲ ዝመፀ እንስሳ እዉን ይስዉእ ፣ እ/ር ድማ ፀሎት እቲ ካህን
ሰሚዑ ምሕረት ይገብር።
ኣለቃ ኣያሌው ታውሩ ‘ ምልጃ እርቅና ሰላም’ ኣብ ዝብል መፅሓፎም ስለ ኢየሱስ ክርስቶስ
መተዓረቓይነት ከምዚ ይገልፅዎ ።
‘‘ግዚኡ ምስበፅሐ ኸዓ ወዲ እ/ር ሰብ ኮይኑ ብስጋ ተገሊፁ፣ካህንነቱን፣መስዋእትነቱን ፣ዓራቓይነቱን ፣
ተዓራቓይነቱን ፣ መተዓረቓይነቱን ባዕሉ ወሰደ።’’. . . . . . . . . ‘ስለዚ ኸዓ ብዕለተ ስቕለት ኣብ ክንድ
እቲ ካህን ኮይኑ ፣ ኣነ ምእንትኣቶም እልምን ኣለኹ’፣ {ዮ.ሃ 17፡9} . . . . . . ‘ስለ ጠቕላላ ምእመናን
ኣብዘቕረቦ ፀሎት እዉን ኣብ መስቀል እናሃለወ ፣ ‘ኦ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እሞ ይቕረ በሎም’ ፣
‘ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ገዲፍካኒ’ ኢሉ ብምዝራብ ፣ ‘ንባዕለይ ምእንቲ ኣባጊዐይ ቤዛ ኣሕሊፈ
ክህባ እየ’ ኢሉ ነፍሱ ካብ ስግኡ ብምፍላዩ ካብ ኣሮን ክህነት ብዝለዓለን ብዝረቐቐን ናይ ክህነት
ስርዓት ካህን፣ዓራቒ፣ መተዓረቒ ፣ መስዋእቲ ኾይኑ ብዝፈፀሞ ብሞቱ ናይ ሰብን ናይ እ/ርን ዕርቂ ኣብ
ፍፃመ ኣብፂሑ። ‘’ይብሉ። {ምልጃ እርቅና ሰላም ኣ/ኣ 1992 ዓ.ም ገፅ 21-22}
መሊሶም ድማ ፦ ‘ምስ ኣብ ምስ መንፈስ ቅዱስ እዉን ይቕረ በሃላይ፣ ተዓራቓይ፣ መስዋእቲ
ተቐባሊ፣ ህይወት ወሃቢ፣ ዋጋ ከፋሊ ብሙዃኑ ብሓጢኣት ምኽንያት ተቛሪፁ ዝነበረ ፣ ናይ ሰብን
እ/ርን ሕብረት ብዝምድንኡን ቤዛነቱን ተሓዲሱ ። ናይ ደቂ ሰባት ናይ ዕዳ ደብዳቤ ተደምሲሱ ፣
ኣብ ሰብን እ/ርን ዝነበረ ናይ ፅልኢ መንደቕ ብደመ መስቀሉ ፈረሱ።{ኤ.ፌ 2፡14-18} ኣብ ሰማይ
ንእ/ር ምስጋና ኣብ ምድሪ ሰላም ንወዲ ሰብ ዕርቂ ኮነ።
ኣብ ገፅ 23 እዉን ፦ በዚ ላዕለዋይ{ከፍተኛ} ዕርቂ ንምካሕ ኢና። እንምካሕ እዉን ብምትዕራቕና
ጥራሕ ኣይኮነን። ቅ.ጳዉሎስ ከምዝተዛረቦ ዕርቅና ብሸነኽ ወዱ ብሙዃኑ እዉን እዩ እምበር። ፀላእቱ
እናሃለና ብሞት ወዱ ተዓሪቑና እዩሞ።{ሮ.ሜ 5፡6-12} እዚ ምምላድን ዕርቅን ናይ ሓደ ጊዜ፣ ናይ
ሓደ መዓልቲ ኣይኮነን። ፈቒዱ ብዘቕረቦ ብስግኡ ቁርባንነት ንሕና ንዘለኣለም ምእንቲ ክንቅደስ ንባዕሉ
ሓደ ጊዜ ንዘለኣለም ብምስውኡ፣ ንዘለኣለም ዘይትሸሓር፣ ዘይትልወጥ መስዋእቲ እዉን ብምስርሑ
ብዘቕረቦ ፀሎት፣ ብዝፈፀሞ ዕርቂ ንቤ/ን ዘለኣለማዊ ስልጣን ሃበ። {ዕ.ብ 7፡21-28/109-15}
ስለዚ ኣብ ብሉይ ኪዳን ሓጢኣተኛ ንኽመሓር 3ተ ኣካላት የድልዩ ፦
1, ኣብ ክንዲ እቲ ሓጢኣተኛ ዝስዋእ እንስሳ
2, ልመና ናብ እ/ር እናቕረበ እቲ መስዋእቲ ዝስዉእ ሊቀ ካህናት
3, እቲ መስዋእቲ ተቐባሊ እ/ር
 ኣብ ሓድሽ ኪዳን እዞም 3ተ ነገራት ባዕሉ ኾይኑ ምስ እ/ር ዘተዓረቐና መድሓኒትና ኢየሱስ
ክርስቶስ እዩ።
ናይ እንስሳ መስዋእቲ ሊቀ ካህን እግዚኣብሄር

ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተሰወኣ በጊዕ ሊቀ ካህንን መስዋእቲ ተቐባሊ እግዚኣብሄርን ባዕሉ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ
ስለ ኢየሱስ ክርስቶስ መተዓረቓይነት ናይ መፅሓፍ ቅዱስን ናይ ሊቃዉንቲ ምስክርነትን።
 ናይ ኣብ ሊቀ ካህናት ዝኾነ፣ ናይ ሰብ ባህርይ {ወገን} ምስ እ/ር ኣተዓረቐ {ሃ/ኣበው ኣመክንዮ}
 ስለቲ ዝኣመናሉ ሰናይ ግብሪ ንምስራሕ ንቐንእ ገንዘቡ ገበረና፣ ስለና ይማልድ እዩሞ፣
እንኣምነሉ ሊቀ ካህናት {መተዓረቒ} ኢሉዎ። {ሃ/ኣበው ዘዮሃንስ ኣፈወርቅ ክ2 ም63 ቁ 26 }
ስለኣይ ኣብ ቀራንዮ ዝፈሰሰ ንፁህ ናይ መሲህኻ ደም እነሆ ስለኣይ የእዊ ፣ እዚ ዝዛረብ ደም
ናተይ ናይ ባርያኻ ሓጢኣት ዘስተሰሪ ይኹን። {ቅዳሴ ሃዋርያት ቁ.106}
 ኦ ኣብ ስለ ኢየሱስ ርድኣና ፣ ኦ ክርስቶስ ናብ ርህሩህ ኣቦኻ ኣማሕፅነና ፣ ናይ ኣብን ወልድን
መንፈስ ኣፅናዕንዐና። {ስብሕተ ፍቁር ሰዓታት}
ንእ/ርን ሰብን ዝስማዕማዕ ክርስቶስ ሰብ ኮይኑ ክልቲኦም ኣተዓረቖም። {ሃ/ኣበው 8፡21}
ኦ ወልድ ከምዝሓመመ ሰብ ኮይንካ ዓዉ ኢልካ ተፃራሕ ፣ ኤልማስ ላማ ሰበቅታኒ በል ።
{እቲ ቁርባን} ኣብ ኣፎም ዉሽጢ ከሎ፣ ኣቦ ኣቦይ ስጋይ ዝበልዑን ደመይ ዝሰተዩን
መሕሮም፣ ይቕረ በሎም ኢይካ ተዛረብ። {ቅዳሴ ኣትናቴዎስ}
ሮ.ሜ 8፡34 / ዕ.ብ 7፡25 /
እምነትን ሰናይ ስራሕን ኣብ ደቂ ሰባት ምድሓን
ሮ.ሜ 3፡20 ፦ ኣብ ቅድሚ እ/ር ፣ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን።
ገ.ላ 2፡21 ፦ ኣነስ ንፀጋ እ/ር ኣየቃልልን ፣ ፅድቂ ፡ ሕጊ ብምፍፃም ዝርከብ እንተ ኾይኑ ፣
እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ።
ኤ.ፌ 2፡8-9 ፦ ንኽርስቶስ ብምእማን ብፀጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፣ እዙይ ከዓ ዉህብቶ
እ/ር እዩ እምበር ፣ ካባኻትኩም ኣይኮነን። ሓደኳ ከይምካሕስ ብግብሪ ኣይኮነን።
 ካብዞም ጥቕስታት ከምንርድኦ ፅድቂ 2 ዓይነት እዩ፦
1,ካብ እ/ር ዝኾነ ፅድቂ ‘‘ናይ እ/ር ፅድቂ’’
2,ናይ ሰብ ፅድቂ ‘‘ብሰብ ዝተሰርሐ’’ ይበሃሉ።
ናይ ሰብ ፅድቂ ዝስራሕ ብባዕሉ ብሰብ ስለዝኾነ ናይ ሰብ ጊዜ ፣ ዓቕሚ ፣ ፍልጠት ፣ እምነት
፣ገንዘብ፣ ወ.ዘ.ተ መሰረት ብምግባር ዝፍፀም እዩ። ንኣብነት 100 ዓመት ፅቡቕ ዝሰርሐ ሰብ
ተሃልዩ ፣ ኣብናቱ ፅድቂ ተመስሪቱ ዝረኽቦ ዋጋ እዉን ንተመሳሰልቲ 100 ዓመታት እምበር
ንዘልኣለም ኣይኾንን። ልዕሊ 100 ዓመት ዝኾነ ነገር ተግንዩ ግን እዚ ፀጋ {ካብ እ/ር ዝኾነ
ነፃ ስጦታ} እምበር ዋጋ ወይ ድማ ደመወዝ ኣይኮነን።
ፅድቂ ታይ እዩ?
እ/ር ብባህሪኡ ፃድቕ እዩ፣ብፅድቂ እዉን ይፈርድ ፣ ኩሉ ናይ ፅድቂ ስራሕትን ሓሳባትን
ፍልፍል ንሱ እዩ። መፅሓፍ ከምዚ ይገልፆ ፦
2ይ ጢ.ሞ 4፡8፦ ደጊም እቲ ቅኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጎይታ ፣ በታ መወዳእታ መዓልቲ እቲኣ ፣
ዝህበኒ ኣኽሊል ፅድቂ ተዳልዩለይ ኣሎ።
ት.ኢሳ 45፡24-25 ፦ ብዛዕባይ ከዓ ፅድቅን ሓይልን ኣብ እ/ር ጥራሕ እዩ ዘሎ ክብሉ እዮም።
. . . . ኩሎም ዘርኢ እስራኤል ብእ/ር ክፀድቁ ፣ ብእኡዉን ክምክሑ እዮም።
ስለዚ ፅድቂ ናይ እ/ር ናይ ባህሪ ገንዘቡ እዩ።
ናይ ፅድቂ መሰረት ናይ እ/ር ፅድቂ ስለዝኾነ ብባህሪኡ ፃድቕ ዝኾነ እ/ር ብምእማን ፀኒዑ
ዝነብር ሰብ ፃድቕ ይበሃል።
ኪ.ወልድ ክፍሌ ድማ ፦
‘‘ጸዲቅ ጽዲቆት’’ ዝብል ናይ ግእዝ ቃል እንትትርጉሙ ምፅዳቕ ፣ ሓቀኛ ሙዃን ፣ ምርታዕ
፣ ብፍርዲ ካብ ሓሶት ካብ በደል ምንፃህ ፣ ምፅራይ ፣ ምብላፅ ፣ ምምሕያሽ ፣ ይብሉዎ።
‘‘ፅድቂ’’ ድማ ‘ሓቂ ፣ ርግፅ ፣ ቅንዕና ፣ ዝግባእ ነገር ፣ ሕጊ ፣ ትእዛዝ ፣ ባህርያዊ መፅሓፋዊ
ስራሕ’ ክብሉ ይትርጉምዎ።
‘‘ፃድቕ’’ ድማ ሓቀኛ ፣ ቅኑዕ ፣ የዋህ ፣ ፅቡቕ ፣ ሰናይ ፣ ንፁህ ፣ ኢሎም ይትርጉምዎ
{ኪ.ወልድ 1948 ዓ.ም ገፅ 745 -746}
ካብዚ መዝገበ ቃላታዊ ትርጉም ከምንርድኦ ናይ ሰብ ፅድቂ ‘ባህርያዊን’ ‘መፅሓፋዉን’
ክኾን ይኽእል እዩ።
‘ባህርያዊ’ ማለት ወዲ ሰብ ካብ ተፈጥርኡ ዝተበገሰ ሰናይ ምግባር ናይ ምግባር ድልየትን
ክእለትን ተጠቒሙ ዝሰርሖ ማለት እንትኾን።
‘መፅሓፋዊ’ ድማ ሰብ ብመፅሓፍ ክፍፅሞ ዝተኣዘዘ ናይ ፅድቂ ስራሕ ክሰርሕ ተሎ እዩ።
መፅሓፍ ‘ኣብ ቅድሚ እ/ር፣ገበርቲ ሕጊ ጥራሕ ደኣ እዩም ዝፀድቁ እምበር ፣ ሰማዕቲ ሕጊ
ኣይኮኑን ዝፀድቁ’።{ሮ.ሜ 2፡13}ይብል። እዚ ንሰብ ናይ ስራሕ ፅድቂ {ብስራሕ ዝፀደቐ}
የብሎ። እቲ ፅድቁ እዉን ዝደኸመሉ ዋግኡ {ደመወዙ} እዩ እምበር ብነፃ ዝረኸቦ ስለዘይኮነ
ከም ፀጋ ኣይቑፀረሉን ‘ነቲ ዝሰርሕ ሰብ ደመወዙ ኸም ግቡእ ኾይኑ ይቑፀረሉ እምበር ፣ ከም
ውህብቶ ኣይኮነን። {ሮ.ሜ 4፡4} ሕጊ ዝሕልዉ ብህይወት {ብስጋ ካብ ምቕፃዕ ድሒኖም}
ከምዝነብሩ ይምስክር። ‘‘ሙሴ ብዛዕባ እቲ ሕጊ ብምፍፃም ዝመፅእ ፅድቂ ‘እቲ ንሕጊ ዝፍፅሞ
ሰብ ፣ ብእኡ ብህይወት ይነብር’ ኢሉ ፅሒፉ እዩ።’’ {ሮ.ሜ 10፡5}
ካብ ሕገ ልቦና ኖህ {ዘ.ፍ 6፡9} ካብ ሕገ ኦሪት ኤልሳቤጥን ዘካርያስን {ሉቃ
1፡16} ፃድቃን እዮም። ማለት ሓቀኛታት ተብሂሉ ተመስኪሩሎም እዩ። ነገር ግን
ጥንተ ኣብሶን ናይ ግብሪ ሓጢኣትን ስለ ዝነበሮም ናይ ሓጢኣት ፍዳ ኣይነበሮምን
ማለት ኣይኮነን።
ንሰብ ናይ ባዕሉ ፅድቂ ንጥንተ ኣብሶ ኾነ ንምልኣተ ሓጢኣት ከጥፍኣሉ
ኣይከኣለን።
‘ኩልና ከም ዝረኸሰ ሰብ ኮይና ፣ ፅድቅና እዉን ከም ናይ መርገም ጨርቂ እዩ ።’
ት.ኢሳ 64፡6
ናይ ሰብ ፅድቂ ነፍሱ ካብ ሞት ንምድሓን እኹል ኣይነበረን። ምእትዙይ ድማ
ክርስቶስ ንፁሃ ባህርይ እንተሎ ከክንዳና ሓጢኣተኛ ተባሂሉ ደሙ ኣፍሲሱ
ተበጂዉና።
ምድሓና ብእግዚኣብሄር ፅድቂ እዩ
 ገ.ላ 5፡4 ፦ ኣቱም ሕጊ ብምፍፃም ክትፀድቁ እትደልዩ ፣ ካብ ክርስቶስ
ተፈሊኹም ኢኹም። ካብ ፀጋ ኸዓ ወዲቕኹም ኢኹም።
 መፅሓፍ ቅዱስ ክንምክሐሉን ክንኣምንኖን ዝግበኣና ፅድቂ ብእ/ር ሙዃኑ
ይነግረና።
ገ.ላ 2፡21 ፦ ኣነስ ንፀጋ እ/ር ኣየቃልልን ፣ ፅድቂ ፡ ሕጊ ብምፍፃም ዝርከብ
እንተ ኾይኑ ፣ እምበኣር ክርስቶስ ንኸንቱ እዩ ዝሞተ ማለት እዩ።
ሮ.ሜ 3፡27 ፦ ትምክሕቲ ደኣ ኣበይ ኣሎ? ንሱ ተሪፉ እዩ ፣ ብግብሪ ሕጊ ድዩ?
ኣይኮነን ፣ ብእምነት ሕጊ እዩ እምበር። ሰብ ሕጊ ብምፍፃም ዘይኮነስ ፣ ብእምነት
ከም ዝፀድቕ ንፈልጥ ኢና።
ሰብ ብእ/ር ፀጋን ብክርስቶስ ሞትን ከምዝፀድቕ ዘረድኣና ‘የቤ/ን ፀሎት’ ዝብል መፅሓፍ
ናይ ‘ፅድቂ መንገዲ’ ኣብ ዝብል ርእሲ ከምዚ ይነግረና ።
‘‘ሰብ ኩሉ ብስራሕ ከምዘይፀድቕ ብእ/ር ፀጋን ብክርስቶስ ሞትን ከምዝፀድቕ የረድእ ፣
ክርስቶስ ሙሟቱ ሰብ ብስራሕ ምፅዳቕ ዘይኽእል ሰለ ዝኾነ እዩ።’’ {የቤ/ን ፀሎት ገፅ 93-94}
ሕጊ ንምንታይ ተዋሂቡ?
 ሕጊ ንምድሓን ኣይተውሃበን ፣ ሕጊ ዝተውሃበሉ ዕላማ ምርዳእ ምድሓን ሕጊ ብምፍፃም
ከምዘይኮነ ንምርዳእ ይሕግዝ እዩ። ሕጊ ንምንታይ ተዋሂቡ?
1, ኣፍ ኩሉ ንኽዕፆ ፣ ዓለም ኩሉ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እግዚኣብሄር ንኽኾን ።
ሮ.ሜ 3፡19 ፦ ኩሉ ሰብ ዘመኻንዮ ምእንቲ ኽስእን ፣ ኩሉ ዓለምዉን ኣብ ትሕቲ ፍርዲ እ/ር
ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽፈልጥ ፣ እቲ ሕጊ ዝእዝዞ ፣ ነቶም ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ኸም ዝኾነ
ንፈልጥ ኢና።
2, ስጋ ዝለበሰ ኹሉ ኣብ ቅድሚ እ/ር ሕጊ ብምፍፃም ከምዘይፀድቕ ንምርኣይ
ሮ.ሜ 3፡20 ፦ ስለዙይ ኩሉ ስጋ ዝለበሰ ኣብ ቅድሚ እ/ር ፣ ሕጊ ብምፍፃም ዝፀድቕ የለን።
3, ሓጢኣት ንምግላፅ
ሮ.ሜ 3፡20 ፦ ሕጊ ሓጢኣት ከም ዘሎ የፍልጥ እዩ።
4, ስለቲ ዝተገለፀ ናይ እግዚኣብሄር ፅድቂ ክምስክር
ሮ.ሜ 3፡21 ፦ ብዘይ ሕጊ ሙሴ ዝኾነ ፣ ፅድቂ እግዚኣብሄር ተገሊፁ ኣሎ።
5, ኣይሁድን ናይ ግሪክ {ኣህዛብ} ሰባትን ኩሎም ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ከምዝኾኑ ንምኽሳስ
ሮ.ሜ 3፡9 ፦ ኣይሁድ ኮኑ ኣህዛብ ኩላቶም ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት እዮም ኢልና ኣቐዲምና ኸሲስናዮም ኢና።
6, ሓጢኣት ንምብዛሕ
ሮ.ሜ 5፡20 ፦ ሓጢኣት ምእንቲ ክበዝሕ ፣ ሕጊ ኣተወ።
ሕጊ ሓጢኣት ኣይኮነን ፣ ነገር ግን ሕጊ እንትመፅእ ሓጢኣት ይበዝሕ እዩ። ንኣብነት ፦
ኣብ ሓደ ፀልማት ገዛ ሓመድ {ኣቧራ} እንተሃለወ ዋላ እቲ ገዛ ፀልማት ስለዝኾነ ኣይፍለጥን ናብቲ ፀልማት
ገዛ ናይ ብርሃን ጨረር እንተኣትዩ ግና ነቲ ኣቧራ ምርኣይ ይከኣል። ልክዕ ኸምዚ ድማ ሕጊ ምስመፀ ሓጢኣት
በዚሑ።
ሕጊ ብምምፅኡ ትምኒት ሓጢኣት ኮይኑ ፣ ትምኒት ሓጢኣት ሙዃኑ ፈሊጥና ፣ስለዚ ድማ ኣብ ህይወትና
ሓጢኣት እናበዝሐ ኸደ።
7, ሕጊ ናብ ክርስቶስ ዝመርሕ ሞግዚት እዩ
ገ.ላ 3፡21-25 ፦ እምበኣር ሕጊ ነቲ ብእ/ር ዝተውሃበ ተስፋ ይፃረር ድዩ? ፈፂሙ ኣይፃረርን ፣
ህያው ክገብር ዝኽእል ሕጊ ተውሂቡ ነይሩ እንተዝኸዉን ፣ ብርግፅ ፅድቂ ብሕጊ ምኾነ ነይሩ ፣
እቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምእማን ዝርከብ ተስፋ ፣ ነቶም ዝኣምኑ ጥራሕ ምእንቲ ክወሃብ ፣
መፅሓፍ ንኹሉ ኣብ ትሕቲ ሓጢኣት ዓፀዎ። እዛ እምነት እዚኣ ቕድሚ ምምፃኣ ፣ ንሕና ነታ
ክትገሃድ ዘለዋ እምነት እናተፀበና ፣ ናብ ትሕቲ ሕጊ ተዓፂና ንሕሎ ነበርና ። ስለዙይ ከዓ
ብእምነት ምእንቲ ኽንፀድቕስ ፣ ናብ ክርስቶስ ከብፅሐና ፣ እቲ ሕጊ ሞግዚት ኮነና ። እምነት
ምስ መፀት ግና፣ ደጊም ትሕቲ ሞግዚት ሙዃን ኣየድልየናን።
 ስለዚ ሕጊ ናብ እ/ር ዝመርሕ ካብ ኮነ ፣ ብእምነት ዝርከብ ናይ እ/ር ተስፋ {መንግስተ
ሰማያት} ዝቃወም ኣይኮነን ማለት እዩ።
ሰናይ ስራሕ ንምንታይ ንሰርሕ?
1, ንእ/ር ዘለና ፍቕሪ ንምግላፅ
ዮ.ሃ 14፡21፦እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎሞ ዝሕልዎ ፡ ንሱ እዩ ዘፍቅረኒ።
2, ናይ እምነትና ዉፅኢት ስለዝኾነ። ሰናይ ስራሕ ናይ ሃ/ኖት ዉፅኢት እዩ፣ ሓቀኛ ሃ/ኖት
ዘለዎ ኹሉ ናይ ግድን ሰናይ ስራሕ ይሰርሕ። {የኢ/ኦ/ተ/ቤ/ን እምነትና ሥርዓተ ኣምልኮትና የውጭ
ግንኙነት 2009 ዓ.ም ገፅ 64-65} {ያ.ዕ 3፡20}
3, ንክርስቲያናዊ ህይወት ሰናይ ስራሕ ናይ ግድን ኣድላይ ስለዝኾነ
ም/ቱ ሰናይ ምግባር ዘይብሉ ሃ/ት ዝሞተ ስለዝኾነ {እቲ እምነት ህልዉና የብሉን}።
ያ.ዕ 3፡20 ፦ ‘እምነት ብዘይ ተግባር ዝሞተት ምዃና ኽትፈልጥ ዶ ትደሊ ኢኻ?’
4, እምነትና ብተግባር ስለዝፍፀም።
ያ.ዕ 3፡22 ፦ ‘ብተግባር እምነት ከምዝተፈፀመት ትርኢ ዶ ኣለኻ’
5,ዝኣመነ ሰብ ናይ ግድን ሰናይ ስራሕ ክሰርሕ ስለዘለዎን ሰብ ዝደሓነ ኣቐዲሙ ዝተዘጋጀወሉ
ሰናይ ስራሕ ንምስራሕ ስለዝኾነን።
ኤ.ፌ 2፡10 ፦ ‘ሰናይ ተግባር እናፈፀምና ኽንነብር ብክርስቶስ ኢየሱስ ተፈጠርና’።
5, ሰባት {ኢ-ጥሙቃን} ብናትና ሰናይ ምግባር ንሰማያዊ ኣቦና ምእንቲ ከኽብሩ።
ማ.ቴ 5፡16 ፦ ‘ነቲ ፅቡቕ ግብርኹም ሪኦም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦዃትኩም ምእንቲ
ከመስግንዎ ፣ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።
ናይ ምድሓና መረጋገፅታት
ስለ ምድሓን ክለዓል ከሎ ክምለሱ ካብ ዝግብኦም ጥያቐታት እቲ ሓደ መረጋገፂና ታይ እዩ
ዝብል እዩ። ብሓፈሻ ናይ ወዲ ሰብ ናይ ምድሓን ስራሕ ብመድሓኒትና ብእ/ር ተፈፂሙ
ድዩ? እዚኸ ብምንታይ ነረጋግፅ? ሕድሕድ ሰብከ እዚ ምድሓን ከምዝረክብ ብምንታይ
የረጋግፅ? ዝብሉ ጥያቐታት ነዚ ዝምልከቱ እዮም። ብእ/ር ምድሓና ክንቅበል ከለና ብዘይ
ምንም መረጋገፂ ፣ ዝተነገረና ኹሉ ናይ እ/ር ምድሓን እዩ ኢልና ንቕበል ኢና ማለት
ኣይኮነን።
ናይ ምድሓን ቃል ሓቃዉነት ብብዙሕ መረጋገፅታት ዝፀንዐ እዩ።
ብስራት {ወንጌል} ኢልና እንሰብኮ ሓቂ {ዝተረጋገፀ} ካብ ሙዃኑ ዝተልዓለ እዩ።ነዙይ
መረጋገፂና ድማ መፅሓፍ ቅዱስ እዩ።
ብወልድ ዝኣምን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣለዎ
ቅዱስ ዮሃንስ ወንጌል ናይ ምፅሓፉ ምኽንያት ገሊፁልና እዩ ፦
ዮ.ሃ 20፡31 ፦ ግና እዙይ ዝተፅሓፈ ፣ኢየሱስ ንሱ ክርስቶስ ወዲ እ/ር ከም ዝኾነ ምእንቲ
ኽትኣምኑን ፣ ኣሚንኩምዉን ብስሙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽትረኽቡን እዩ።
ሚሊሱ ድማ ኣብ ምዕራፍ 3 ናይ ክርስቶስ ናይ ስቕለቱ ዕላማ ይነግረና።
ዮ.ሃ 3፡14-15 ፦ ኩሉ ብእኡ ዝኣምን፣ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር ፣
ከይጠፍእስ ፣ ከምቲ ሙሴ ኣብ ምድረበዳ ንተመን ዝሰቐሎ ፣ ወዲ ሰብ ድማ ኸምኡ ኽስቀል
ኣለዎ።
እሞ እምበኣር ክርስቶስ ዝተሰቐለ ዝሞተ፣ ንሞት ስዒሩ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንስኣ ፣
ብእኡ ዝኣምን ኩሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ንኽህልዎ እምበር ንኸይጠፍእ ተኾይኑ ፣ እዚ
ሓቂ ምእማን ንምድሓና መረጋገፂ እዩ።
ብወልድ ዝኣምን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣለዎ
ዮ.ሃ 3፡16 ፦ ኩሉ ብእኡ ዝኣምን ፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር
ከይጠፍእስ ፣ እ/ር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ ፣ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ። እ/ር
ንወዱ ናብ ዓለም ዝለኣኾ ፣ ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን። እቲ ብእኡ ዝኣምን ኣይፍረዶን
እዩ። እቲ ብእኡ ዘይኣምን ግና ፣ ብስም ሓደ ወዲ እ/ር ስለ ዘይኣመነ ድሮ ተፈሪዱዎ ኣሎ።
ክብል የረጋግፀልና።
መሊሱ ድማ ዮሃንስ ናይ እ/ር ኣብ ፍቓድ ታይ ሙዃኑ እንትነግረና ፦
ዮ.ሃ 6፡39-40 ፦ካብቶም ኩሎም ንሱ ዝሃበኒ ፣ በታ ዳሕረወይቲ መዓልቲ ከተስኦም እየ
እምበር ፣ ሓደ እኳ ኣይጠፍእን እዩ። እዙይ ድማ ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦይ እዩ ፣ ኩሉ
ንወልድ ሪኡ ብእኡ ዝኣምን ፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብ ፣ ኣነዉን በታ ዳሕረወይቲ
መዓልቲ ከተስኦ እየ ፣ እዙይ ፍቓድ ኣቦይ እዩ።
መንፈስ ቅዱስ
 ሰባት ብወዲ እ/ር እንትኣምኑ ናይ መንፈስ ቅዱስ ስራሕ ብህይወቶም ይሪኡ እዮም። እዙይ
ድማ ዝደሓነ ሰብ ዝረኽቦ ፀጋ ስለዝኾነ መረጋገፂና እዩ።
ናይ ተስፋና መረጋገፂ ፣ ናይ ርስትና ዕርቡን እ/ር መንፈስ ቅዱስ እዩ።
‘‘ናቱ ኸም ዝኾንና ዝሓተመናን ፣ መፈለጥታ ዝገበረልናን ኣብ ልብናዉን መተኣማመኒ መንፈስ
ቅዱስ ዝሃበናን ፣ እ/ር እዩ።’’ 2 ቆ.ሮ 1፡22 ።
‘‘. . . . ነዙይ ዘዳለወና እ/ር እዩ ፣ ዕርቡን መንፈሱዉን ዝሃበና ንሱ እዩ።’’ 2 ቆ.ሮ 5፡5
ክብል መንፈስ ቅዱስ ናይ ተስፋና መትሓዚ {ዕርቡን} ኣብ ልብና ዝተሃተመ መረጋገፂ ከምዝኾነ
ይገልፅ። ኣብ ኤፌሶም መልእኽቱ ድማ ፦
ኤ.ፌ 1፡14 ፦ ‘‘ንኽብሩ ምስጋና ክኸዉን እ/ር ነቶም ናይ ባዕሉ ዝኾኑ ኹሎም ክሳዕ
ዘድሕኖም ፣ መንፈስ ቅዱስ ፣ ነቲ ኽንረኽቦ ዘለና ርስቲ ፣ ዕርቡን እዩ።’’
ዝተለወጠ ህይወት
ተስፋና ገና ብናይ ክርስቶስ ዳግማይ ምፅኣት ዝግለፅ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ጠቕላላ
ንህይወትና ዝቕይር እምበር ምስ ህይወትና ምንም ርክብ ዘይብሉ ኣይኮነን። ቅዱስ ጳዉሎስ
ኣብ ቲቶ መልእኽቱ ፦
ቲ.ቶ 2፡11-13 ፦ ኩሉ ሰብ ዘድሕን ፣ ፀጋ እ/ር ተገሊፁ እዩ እሞ፣ እዚ ፀጋ እዙይ ፣
ሓጢኣትን ዓለማዊ ድልየትን ሓዲግና ፣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ርእስና መሊኽና ፣ ብፅድቅን
ብመንፈሳዊ ህይወትን ፣ ክንነብር ይምህረና።
ዝተለወጠ ህይወት ማለት ፦ ቅድሚ ምእማኑ ዝነበሮ ህይወት ተሪፉ ፣ ሓድሽ ህይወት
ምሓዝ ማለት እዩ። እዙይ እዉን ናይ ፍቕሪ ህይወት፣ናይ ምስጋና {ኣምልኾ} ህይወት፣ ናይ
ደስታ {ምፅንዕናዕ}ህይወት፣ ናይ መከራን ስደትን ህይወት ፣ ናይ ቅድስና ህይወት ፣ ናይ
ሕብረት ህይወት ፣ ዝዓቢ ህይወት ፣ ናይ ፀሎት ህይወት። ወ.ዘ.ተ ክበሃል ይኽእል።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር
ፍልፍል መፃሕፍቲ
1,ሳሙኤል ፈቃዱ ፡ ነገረ ሃ/ኖት {ዘኦርቶዶክስ ተዋህዶ} ፡ 7, ኣባ መልኬ ጼዴቅ {ሊቀ ጳጳስ} ፣ የኢ/ኦ/ተ/ቤ/ያ
4 ዕትም 2008 ዓ.ም እምነትና ትምህርት 1994 ዓ.ም
2, በኣማን ነጸረ ፡ ወልታ ጽድቅ {ስለ ደቂቀ እስጢፋኖስ 8, ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ፡ መፅሓፈ ምስጢር
ከየኣንፃሩ የሚያነፃፅር፡ ጥንተ ኣብሶን ከነጓዙ የሚተነትን ፡ 9, ኣባ ጎርጎርዮስ {ሊቀ ጳጳስ} ፣ የቤ/ን ታሪክ በዓለም
ቁንፀላዎችን የሚወድር} መድረክ ፣ ትንሳኤ ዘጉባኤ ማተሚያ ቤት 1978
3,ነገረ ድኅነት ፡ ማኅበረ ቅዱሳን 1999 ዓ.ም 10, ኪ.ወ.ክፍሌ ፣ መ/ሰዋስዉ ወግስ ወመዝገበ ቃላት
4, ቃልኪዳን በነገረ ድህነት ዲ/ን ያረጋል ኣበጋዝ 2006 ሐዲስ 1948 ዓ.ም
ዓ.ም 11,ትንቢተ ኢሳይያስ {ኣንድምታ} 1997
5, ተግሳፅ ዘዮሃንስ ኣፈወርቅ ፣ ተስፋ ገ/ሥላሴ ማተሚያ 12, ጳዉሎስ {ኣንድምታ} 1988
ቤት ታተመ 1987 ዓ.ም
13, ዲድስቅልያ ዘኣበዊነ ሐዋርያት 2004
6, ኣለቃ ኣያሌው ታምሩ ፡ምልጃ ፡ዕርቅና ፡ ሰላም 1992
ዓ.ም 14, የኢ/ኦ/ተ/ቤ/ን እምነት ሥርዐተ ኣምልኮትና የዉጭ
ግንኙነት 2009 ዓ.ም
ፍልፍል መፃሕፍቲ
15, ሃይማኖተ ኣበው 1986
16, ወንጌል ኣንድምታ 2003 ዓ.ም
17, የቤ/ን ጸሎት 1997 ዓ.ም
18, ድርሳን ዘዮሃንስ ኣፈወርቅ 1987 ዓ.ም
19, ኣኮቴተ ቁርባን ፣ ቀሲስ ዶ/ር መብራህቱ ኪሮስ
ገብሩ ፡ ህዳር 2012 ዓ.ም
20, በትረ ሃይማኖት { ቀሲስ ዶ/ር መዝገቡ}

You might also like