You are on page 1of 51

ንሰልጠንቲ ዝተዳለወ ናይ ግንዛበ

ምዕባይ ስልጠና

መጋቢት 2009ዓ.ም
ሽረ
መእተዊ
ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሞያ ክልል ትግራይ ክልልና
እተመዝግቦ ንዘላ ቅሉጡፍ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራውን
ምዕባለ ቀፃልነት ንክህልዎ ብቕዓት ማእኸለዎትን
ታሕተወትን ኪኢላታትን መፍረይቲ ኣካላትን ደረጃ
ብቕዓቶም ብኣንፃር ሃገራዊ ሞያ ደረጃ እናተዓቀነ
እንትኸድ ኣብ ምውሳኽ ውፅኢታውነት ስራሕን
ተወዳዳሪ ዝኾነ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ እዚ ኤጀንሲ ነዚ
ዋና ዓላማ ንምዕዋት ዝተጠናከረ ናይ ምዘና ስርዓት
ዘርጊሑ ኣገልግሎቱ ብዝተጠናከረ ኩነታት ምፍፃም ፡፡
ምርገጋፅ ብቅዓት ሞያ ክበሃል ታይ ማለት እዩ?
 ምርገጋፅ ብቅዓት ሞያ ማለት ሓደ ሰራሕተኛ፣ ሰልጣናይ ወይም
መፍረይ ኣካል ንዝሰልጠናሉ ወይ ዝተዋፈረሉ ዓውደ ስራሕ በቲ
ዝተቐመጠ ሃገራዊ ሞያ ደረጃ ክጭብጦም ዝግባእ ብቅዓት
ኣሃዱታት ብክእለት፣ ብፍልጠትን ብኣተሓሳስባን ዝበቅዐ ምኻኑ
ዝዕቀነሉ ሜላ እዩ፡፡
 ሞያ ደረጃ ማለት ሓደ ሰራሕተኛ ብኣንፃር ጠለብ ዕዳጋ ሓደ

ዝተወሰነ ስራሕ ንምስራሕ ክውንኖ ዝግባእ ደረጃ ብቅዓት


ዘርእያና እዩ፡፡
 ብቅዓት ማለት ሓደ ዝተወሰነ ስራሕ ብብቅዓት ንምስራሕ

ዘኽእል ክእለት፣ ፍልጠትን ኣተሓሳስባን ምህላው ዘርእየና እዩ፡፡


ረብሓታት ምርግጋፅ ብቅዓት ሞያ
ሓደ ሰብ ዝተዋፈረሉ ዓውደ ስራሕ ብብቕዓት ንምፍፃም
ተወዳዳሪ ንምዃንን ናይ ኽእለት፣ፍልጠትን ኣተሓሳስባን
ጉድለታቱ ፈሊጡ ንክመልእ ይገብር፡፡
ናይ ተወዳዳራይነትን ዓርሰ እምነትን የማዕብል
በበግዚኡ ንዝፍፀሙ ቴክኖሎጂታት ተጠቃሚ ንምዃንን ምስ
ቴክኖሎጂ ንምጓዓዝ ቀፃሊ ዓቅምኻ ክተዕብን ይሕግዝ፡፡
መራሕቲ ቤት ዕዮታት /ኢንዳስትሪታት/ ናይ ሰራሕተኘኦም
ደረጃ ብቕዓት ተረዲኦም ነናብ ዝምጥኖም ብምስምራይ
ውፅኢታውነት ቤት ዕዮኦም ንምምሕያሽ ይጠቅም፡፡

4
ከይዲ ስርዓት ምዘና
ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቕዓት ሞያ ክልል ትግራይ

5
አብ ከይዲ ምዘና ምርግጋፅ ብቕዓት ሞያ ዋና ዋና ተዋሳእቲ
አካላት እንመን እዮም?

I. መመዘኒ ማእከላት
II. ተመዘኒ
III.ሱፐርቫይዘራት
IV. ናይ ኢንዳስትሪ መዘንቲ ሰብ ሞያ

6
ስራሕን ሓላፍነትን መመዘኒ ማእኸላት
ምዘና ክምዘኑ ንዝሓቱ ተመዘንቲ ቅድሚ ምዘና ምውሃቡ ዘሎ
10 መዓልቲታት ምዝገባ ኣካይደን ብሽም ዝርዝርን ብሞያን
ብርክን ነፂረን ብሕድ ሕድ ሞያ 10 ልዕሊኡን ተመዘንቲ
እንተተ መዝጊቦም ንኤጀንሲ የፍልጣ፡፡
ኣብ ስራሕ ዓለም ዘለዉ ሰብ ሞያታት፣ ተመሪቆም ስራሕ
ዘይጀመሩ ኪኢላታትን ሓደሽቲ ተመረቕቲ ንክምዘኑ ሕቶ
ምዘና ተቀቢለን የተኣናግዳ፡፡
ናይ ምዘና ኣቁሑ ዝርዝር ቅጥዒ ካብ ኤጀንሲ ብምውሳድ
ኣቀዲመን ምድላው ይገብራ፡፡

7
ብቑዓት ኮይኖም ንዝተረኸቡ ተመዘንቲ ኣብቲ ማእኸል ምዘና
ምስ ተወደአ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ ሰርትፍኬት
ክስረሓሎም ነዚ ዘድሊ ቅጥዒ ብምምለኣን 3x4 ጉርዲ
ፎቶግራፍ ካብ ኤጀንሲ ንዝተልኣኸ ሱፐርቫይዘር የረክባ፡፡
ዘድሊ መረዳእታን ናይ ምዘና ውፅኢት ኣማሊኤን ይሕዛ፡፡
ናውቲ ምዘና መራብሒ ዝኸውን ወረቐት፣ ፎቶኮፒን ካልኦት
ዘድልዩ መሳርሒታትን ምዘና ክማላእ ይገብራ
ምስ ሱፐርቫይዘራት ብምትሕብባርን ብምርድዳእን ይሰርሓ፣
ሱፐርቫይዘራት ዝህብዎ ደገፋትን ኣመራርሓን የተግብራ፡፡

8
ካብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሞያ ዝላኣኹ
መምርሒ ምዘና ተግባራዊ ይገብራ፡፡
ብመሰረት መምርሒ ምዘና ካብ ዝምልከቶም ኣካላት
ጥራሕ ኮምቴ ምዘና ብምጥያሽ ከይዲ ምዘና
ብጥንቃቄ፣ ብሓላፍነት፣ ብተሓታቲነትን ግልፅነትን
ንክካየድ የተሓባብራ፡፡
መዘንቲ ናይ ምዘና ስራሕቶም ብዝግባእ ምፍፃሞምን
ግቡኦም ዝተዋፅኡ ምዃኖም ብሱፐርቫይዘራት ምስ
ቀረበ ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓት ናይ መዘንቲ ክፍሊት
ብመሰረት መምርሒ ምዘና ይፍፅማ፡፡
9
ብሱፐርቫይዘር ቀሪቡ እንዳሃለወ ሰበብ ብምፍጣር ክፍሊት
ዘይፈፀማ መመዘኒ ማእኸላት ካብታ ሱፐርቫይዘር ክፍሊት
ክፍፀመሉ መረዳእታ ዘቅረበላ እዋን ጀሚሩ በቲ መምርሒ
እንተዘይትኸፊልዎ ተወሳኺ ናይ ዝፀንሐለን እዋናት ውዕሎ
ኣበል እቲ መመዘኒ ማእከል ክኸፍሎ ግቡእ ኣለዎ፡፡
መመዘኒ ማእከላት ቅድሚ ናይ መዙንለይ ሕቶ ምቅራበን በቲ
ኤጀንሲ ዝተልኣከለን ማተርያ ልሊስት መሰረት ኣቁሑት ምዘና
ምድላውን ናይ ምርግጋፅ ግቡእ ኣለወን፡፡

10
ሱፐርቫይዘርን መዛናይን ኬዶም ንምዘና ዘድልዩ
ማተርያላት በቲ ማተርያል ሊስት ዝሓቶ መሰረት
እንተ ዘይተማሊኡ እቲ ምዘና ተሰሪዙ ካልኦት
ትካላት ሕቶ ምዘና ምስ ተኣናገዳ ቀፂለን
ግልጋሎት ይረክባ፡፡
ንምዘና ዘገልግሉ ናውቲ ብኣግባቡ ምቅራብ
ናይ ተግባር ምዘና ዝወሃበሉ ዎርክሾፕ የዳልዋ
ምስ ኤጀንሲ ተቀራሪብን ይሰርሓ

11
መመዘኒ ማእኸላት ዘመዝናኦ ምዘና ኣፍልጦ ብዘረኸባሉ
ፕሮግራም ብርክን ጥራሕ ይኸውን፡፡
ምዘና ተጠናቂቁ ክፍሊት መዛኒ ብሱፐርቫዘር ካብ
ዝተፅሓፈሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ዘድሊ
ቅጥዓ-ቅጥዒ ኣማሊአን ሬጅስትራር ወይ ዝተወከለ ኣካል
ተፈሪሙ ናይ ትካል ማህተም ዓሪፍዎ ናብ ኤጀንሲ ይልእካ ፡፡
ኣቀዲሙ ካብ ዝተሓተተ በዝሒ ተመዘንትን ሞያን ወፃኢ
ኣብ እዋን ምዘና ተወሳኪ ሕቶ መዝኑልና ክቀርብ የብሉን፡፡

12
ስራሕን ሓላፍነትን ሱፐርቫይዘር
 ምዘና ንምክያድ ዘክእል እኩል ማተርያል ምህላዉ
የረጋግፅ ፤ንክረጋገፅ ይገብር።
 ሱፐርቫይዝ ኣብ ዝገብሮ ምዘና ማእከል ባጅ ክገብር

ግቡእ ኣለዎ ።
 ምዘና ቅድሚ ምጅማሩ መለለይ ካርድ ተመዘንቲ

የረጋግፅን ንክረጋገፅ ይገብር።


 ናይ ምዘና መሳርሒታት ዝተኣሸጉሉ ፖስታ ናይቲ

ማእከል ሓላፊ ወይ ዝወከሎን ኣብዘለዉሉ ክኽፈት


ይገብር።
13
 ምዘና ብሕግን ስርዓትን ምዘና ይካየድ ምህላዉ ይከታተል ናይ
መአረምታ ስጉምቲ ይወስድ።
 ኣብ ምዘና ፓኬጅ ብሚኒስተር ትምህርቲ ዝተቀመጡ

መምርሕታት ኣብ ተግባር ምውዓሎም ይከታተል፣ መአረምታ


ስጉምቲ ይወስድ።
 መዛኒ ምስ መመዘኒ ማእኸላት ወይ ተመዘንቲ ምትእስሳር

ከም ዘለዎ እንተፈሊጡ ብካሊእ ገለልተኛ መዛኒ ክትካእ


ይገብር።

14
 ኣብ ከይዲ ምዘና ተግባር መዛኒ ምስ ስርዓትን ደንብን ምዘና
ዝጠዓዓም መካኑ ይክትታል፤ ተፃራሪ ኮይኑ እንተተረኪቡዎ
ከከም ኩነታቱ ምምካር፣ ምምብራር፣ ናብ ፖሊስ ሪፖርት
ምግባር።
 ንምዘና ዘይምቹ ዝኮነ ኩነታት እንተተፈጢሩ ምዘና ምቁራፅ።
 ንምዘና ብላዕለዋይነት ይመርሕ የፈፅም።
 ንቅሬታ ኮሚቴ ይመርሕ ፤የተሓባብር።

15
 ንመመዘኒ ማእኸላት ዘድልዩ ውፂኢት ተመዘንቲ ኣቴንዳንስ ተመዘንቲን
ሪፖርትን ኮፒ ገሩ ይህብ።
 መዛኒ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ ዘይተስማዕምዐ ተመዛኒ እንተጋጢሙ መፍትሒ

ሓሳብ ካብ ምሃብ ሓሊፉ ኣብ ናይ መዛኒ ውሳነ ጣልቃ ምእታው


ኣይከኣልን።
 እቲ ምዘና ምስተጠናቀቀ ናይ ምዘና ፓኬጃትን ምዘና መከታተተሊ

ቅጥዒ/observation checklist/ ብትክክል ቆፂሩ፣ ናይ ሕድሕድ


ተመዛኒ ኣቴንዳስ /Attendance/፣ ውጽኢት መጠቃለሊ/ Resut
summery/ ብኣግባቡ ዝተመልኡ ምኳኖምን ብዝምልከቶም ኣካላት
ዝተፈረሙ ምኳኖምን አረጋጊፁ ናይቲ ምዘና ኮሚቴ ኣባላት ኣብ ዘለዉሉ
ብፖስታ ክእሸጉ ብምግባር ፈሪሙ ካብ መዛኒ ይርከብ፡፡

16
 ምዝና ኣብ ዝተውሃበሉ ዕለት ካብ መዛናይ ዝተረከቦም
ኣቴንዳንስ፣/፣ውፅኢት መጠቃለሊ/Resut summery/፣
ናይ ዝበቅዑ ተመዘንቲ ሰርተፊኬት ቅጥዒን መጠቃለሊ
ሪፖርት/Data summery/ ብትክክል ኣመርሚሩን
ኣቁፂሩን ብጥንቃቀ ምዘና ፕሮግራም ካብ ዝወድአሉ እለት
ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ንዶኩመንቴሽን በዓልሞያ
ኣፈሪሙ የረክብ።
 መዛኒ ብዝሃቦ ውሳነ ተመዛኒ እንተዘይ ዓጊቡ ተመዛኒ ዝሰርሖ

ፕሮጀክት ክይፈርስ ብምግባር ተመዛኒ ቅሬታኡ ብከመይ


ከቅርብ ከምዝለዎ አረዲኡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከቅርብ
ይገብር።

17
 ናይ ሱፐርቭዥን ኣገልግሎት ኣብ ዝሃበሉ ናይ ምዘና ማእከል
ዝተካየደ ናይ ምዘና ኣፈፃፅማ ከይድን ውፅኢትን ዝምልከት
ዝርዝር ሪፖርት ብምድላው ምዘና ካብ ዝተወደአሉ ዕለት
እንተዘይተካኢሉ ብፅባሒቱ ቅድሚ ሰዓት ናብ መተሓባበሪኡ
የቅርብ ብቅዳሕ ንቲ መመዘኒ ትካል የፍልጥ።
 ሱፐርቫይዝ ዝገበሮ ምዘና ውፂኢት ብፈርማ የፅደቅ።እቲ

ወፂኢት ግደፈት ዘለዎ መካኑ ዘእምን ምክንያት እነተሃልዩዎ


ቅድሚ ምፍራሙ ንምዘና ኮሚቴን ንኤጀንሲን ብምፍላጥ ውሳነ
ክረክብ ይገብር ።

18
 ሱፐርቫይዘር ዝወሰዶም ስጉምቲታት ንኤጀንሲ ከፍልጥን
ሪፖርት ክገብርን ኣለዎ
 ሱፐርቫይዝ ኣብ ዝገብሮ ምዘና ማእከል ንምዘና ዝቀርቡ በዝሒ

ተመዘንቲ ንኤጀንሲ ኣቀዲሙ ብምፍላጥ ብስታንዳርድ መሰረት


መዘንቲ ክምደቡሉ ይገብር
 መዘንቲ ዝተውሃቦም ልኡክ ብኣግባቡ መውፃኦም የረጋገፀ።
 ናይቲ ትካል ምዘና ኮሚቴ ብዝተውሃቦ ልኡክ መሰረት ንክፍፅም

የተሓባብር

19
 ድሕሪ ምዘና ምጥቅላሉ ንመዛኒ ብኣግባቡ
ገምጊሙ፣ውፅኢት መሊኡ ንመዛኒ ኣፈሪሙ ናብ
መተሓባበሪ ዋ/ከ/ስራሕ ግልጋሎት ምዘና ኣታዊ
ይገብር ።
 ካብ ኤጀንሲ ወይ ክላስተር ቤትፅሕፈት ናብ ምዘና

እንትዋፈር ብፖስታ ዝተኣሸገ ፓኬጅ ምዘና ተረኪቡ


ኣብ ዝተመደቦ ምዘና ማእከል ኣብ ቅድሚ ኮሚቴ
ምዘና ብምክፋት ቀፂሉ ድሕንነቱ ብዝተሓለወ
መንገዲ ከባዝሕን ክእሽግን ኣለዎ ።
20
ሱፐርቫይዘር ክገብሮም ዘይግባእ ተግባራት
 ምክንያቱ ብዘየገድስ መዛኒ ክፅውዕ የቡሉን
 ውፅኢት ተመዘንቲ ባዕሉ ክቅይር የብሉን ።
 ኣብ ውሳነ ውፅኢት ተመዘንቲ ጣልቃ ክኣቱ የብሉን ።
 ባዕሉ ክምዝን የቡሉን
 ኣብ ውልቀ ወይ መንግስታዊ መሰልጠኒ ትካል ብኣሰልጣናይነት

ወይ ካልኦት ምስ ሰልጠናን ምዘናን ዝዛመዱ ስራሕቲ ክሰርሕ


የቡሉን ።

21
 ብዝኮነይኩን መገዲ ብኤጀንሲ ካብ ዝተፈቀደሉ
ወፃኢ ፓኬጅ ምዘና ሒዙ ክርከብ የብሉን ።
 ዝተውሃቦ ምዘና ፓኬጂ ብፍላጥ ይኩን
ብዘይፍላጥ ከንጠባጥብ የብሉን ።
 ንምዘና ተኣማኒነትን ምስጢራውነትን ኣብ ሓደጋ

ዘውድቅ ዝኮነይኩን ተግባር ክፍፅም የብሉን ።


 ኣብ ዝኮነ ይኩን ኩነታት ኣድልዎን ዘይፍትሓውን

ተግባር ክፍፅም የብሉን ።

22
 ውፅኢት ተመዘንቲ ብዘይካ ፍሉይ ኩነታትን
ኣፍልጦ ኤጀንሲን ኣብ ገዛኡ ወይ ኣብ ዝኮነ ናይ
ግሉ ቦታ ከቀምጥን ከንጠባጥብን የብሉን ።
 ምዘና ከይምዘን ብኤጀንሲ ዝተከልከለ ተመዛኒ

ኽምዝን የብሉን ።
 ንአጀንሲ ከየፈልለጠ ንባእሉ ክምዘን የቡሉን
 ሱፐርቫይዝ ናብ ዝገብሮ መመዘኒ ማእኸል

ኣልኮል ወይ መዐወኒ ሓሺሽ ተጠቂሙ ክኸይድ


ኣይክእልን ።
23
 ናይውልቀኡ ይኩን ምስ ካልኦት ብምትሕብባር ምዘና ዝሓትት
መሰልጠኒ ትካል ከጣይሽ ወይ ክውንን የብሉን ።
 ዝኮነ ዓይነት ምዘና ኣብ ደገ ከራብሕ የብሉን
 ብዘይካ ደኣንት፣ሓረስቶትን ሓፂር ስልጠና ተመዘንትን እቲ

ትካል ኣቀዲሙ ካብ ዘፍለጦም ቁፅሪ ተመዘንቲ ኤጀንሲ


ዘይፈልጦም ተመዘንቲ ከመዝን የብሉን ።
 ምዘና ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ብዘይካ ኣፍልጦ ኤጀንስን ፍሉይ

ኩነታትን ካብ ምዘና ማእከል ክፍለ የብሉን፡፡

24
 ንመዛኒ ገምጊሙ ውፅኢት መሊኡ ከየፈረመ ክምለስ
የብሉን ።
 ቅዲሚ ምዘና ይኩን ድሕሪ ምዘና ምስ ምዘና ኮሚቴ

እቲ ትካል ምድላው መዘናን ኣፈፃፅማ ምዘናን


ኣመልኪቱ ብቃለ-ጉባኤ ዝተደገፈ ገምጋም ከይገበረ
ክወፅእ የብሉን ።
 ዝኮነ ሱፐርቫይዘር ብዘይ Observation Checklist

ከመዝን የብሉን፣ ከምኡውን ።


 ምዘና ፓኬጃት ይኩን summery Report ብዘይ

ናይ ቀረባ ሓላፊ ፍቃድ ባዕሉ ከቃፅል የብሉን ።


25
 ዝኮነ ሱፐርቫይዘር መለማመዲ ምዘና /Demo Exam/
ከይሃበ ክጅርም የብሉን፡፡
 ዝኮነ ሱፐርቫይዘር ቅድሚ ምዘና ንተመዘንቲ መሰልን ግቡእን

ተመዛናይ ኣፈፃፅማ ከይዲ ምዘና ኣመልኪቱ


Orientation ከይሃበ ምዘና ክጅምር የብሉን፡፡
 ዝኮነ ሱፐርቫይዘር ናይ ተመዘንቲ ID Card ከየረጋገፀ

ምዘና ከጀምር የብሉን፡፡


 ካብ ናይ ቀረባ ሓላፊ/ኤጀንሲ ኣፍልጦ ወፃኢ ምስ ምዘና

ምትእስሳር ዘለዎም ኣካላት ኣበል ወይ ዝኮነ ጥቅማጥቅሚ


ክቅበል የብሉን፡፡

26
 ጉቦ ወይ ብላዕ ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ክቅበል
የብሉን ፡፡
 ዘይተኣሸገ ፓኬጅ ምዘና ሒዙ ናብ መመዘኒ

ማእከል ክከይድ የብሉን፣ ተኣሺጉ ዝተውሃቡ


ምዘና ፓኬጅ ድማ ምዘና ኮሚቴ ኣብ ዘይብሉ
ባዕሉ ከፊቱ ክጥቀም የብሉን ፡፡

27
ንመዛናይነት ዝምልመል በዓልሞያ እዞም ዝስዕቡ
መስፈርትታት ከማልእ ኣለዎ
 ናይዛ ሃገር ፖሊሲን ስትራቴጂን ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን
ስልጠናን ዝፈልጥ ነዚ ንምዕዋት ቅኑዕ ኣመለካክታ ዘለዎ ፡፡
 አብ ስራሕ ዘለዎ ተበግሶ፣ ስነ-ምግባር፣ ተኣማንነቱ፣ ሓላፍነት

ንምሽካምን ብፅንዓት ንምውፃእን ዘለዎ ብቅዓትን ሞያዊ ስነ-


ምግባሩን ካብ ዝሰርሐሉ መስራቤት ወይ ካብ ካልእ ሕጋዊ
ሰውነት ካብዘለዎ ትካል ናይ ድጋፍ ደብዳቤ ዘቅርብ ፡፡

28
 ብገበን ግዕዝይና ዘይተፈረዶ
 መዛናይ ፅቡቅ ስነ-ምግባር ዘለዎ ክኾውን

ይግባእ
 በቲ ዝምዝኖ ሞያ ተመዚኑ ብቕዓቱ ዘረጋገፀ

ክኸውን ኣለዎ
 ናይ መዛናይነት ስልጠናን ኣፍልጦን ዝተውሃቦን

ክኸውን ይግባእ
 በቲ ዝምዝነሉ ሞያ እንተነኣሰ 2 ዓመት

ዝሰርሐን መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል


29
 ንመዛኒ ብርኪ IV በቲ ሞያ ቀዳማይ ዲግርን
ልዕሊኡን ዘለዎ ብደረጃ IVን ልዕሊኡን ዝበቅዐ፣
ወይ ድማ ብደረጃ V ሰልጢኑ ዝበቅዐ
 ንመዛኒ ብርኪ III በቲ ሞያ ብደረጃ IVን ልዕሊኡን

ዝበቅዐ፣
 ንመዛኒ ብርኪ I ን II በቲ ሞያ ብርኪ IIIን
ልዕሊኡን ዝበቅዐ፣
 ንብርኪ V መዛኒ በቲ ሙያ 1ይ ዲግርን ልዕሊኡን

ዘለዎ ብደረጃ V ዝበቅዐ ፣


30
 ንብቅዓትኣሃድ መዛኒ በቲ ሞያ ብርኪ ሓደን
ልዕሊኡን ዝበቅዐ
 መዛናይ ዝኸውን ኣብ ኢንዳስትሪ ብሞያኡ ኣብ

ምስራሕ ዝርከብ ወይ ብሞያኡ ኣብ ናይ ውልቁ


ስራሕ ዝተዋፈረን መረዳእታ ዘቅርብን ፡፡

31
ተግባርን ሓላፍነትን መዛኒ
 ብዘይምንም ኣድልዎ፣ ምፍርራሕን ምፅራፍን ተመዘንቲ
ይምዝን፡፡
 ካብ ሱፐርቫይዘራት ዝወሃብዎ መምርሒታት ጥራሕ ይቅበል
የተግብር፡፡
 ተመዘንቲ ዝምልከት ዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ቕጥዒታት ብእዋኑ
ብፅፈት ይመልእ፡፡
 ካብ ተመዘንቲ ዝቀርበሉ ጥርዓን ኣግባብነት ብዘለዎ መንገዲ
እኩል ምላሽ ይህብን ክሳብ መወዳእታ ይረዳዳእን፡፡

32
 ናይ ተመዘንቲ ናይ ክእለት ክፍተት ብምንፃርን
ተመዘንቲ ክፈልጥዎ ብምግባር ኣብ መወዳእታ
ብፅሑፍ ንሱፐርቫይዘር ን መመዘኒ ማእኸልን
ይህብ ፡፡
 መዛናይ ተፀዋዕነቱ ኣብቲ መመዘኒ ማእኸል
ንዘተመደበ ሱፐርቫዘር ይኸውን ፡፡
 መዛኒ ኣብ ዝምዝነሉ እዋን ናይ ስጋ ወይ ናይ ሓዳር
ዝምድና ዘለዎ ተመዛኒ ወይ ብፍሉይ ፅልኢት
እንተሃልዩ ኣቀዲሙ ንሱፐርቫይዘሩ ከፍልጥ ኣለዎ
፡፡
33
 ኤጀንሲ ኣብ ዘዳለዎ ናይ ዓቅሚ መዕበይ መድረክ ወይ
ካልእ ናይ ምክክር መድረክ ፃውዒት እንተተጌሩሉ ተረኪቡ
ክሳተፍ ኣለዎ ፡፡
 ካብ ተመዛኒ ንዝቐርብ ኣግባብ ዘለዎ ሕቶ ኣግባብ ብዝለዎ
መንገዲ ናይ ምምላስ ወይ ምርዳእ ግዴታ ኣለዎ ፡፡
 ኣብ ዝተቀዳድሑ ወይ ምልክት ምቅድዳሕ ንዘርኣዩን
ዝኾነ ይኹን ፅሑፍ ብወረቐት፣ ብሞባይልን ካልኦትን
ሒዞም ናብ ምዘና ንዝኣትዉ ተመዘንቲ ብመሰረት
ዝቀርብ ጭቡጥ መረዳእታ ብቀጥታ ካብ ምዘና
የሰናብት፣ውፅኢት ይሰርዝ፡፡
34
 ብዛዕባ ናይ ተመዘንቲ ምዘና ዝህቦ ውሳነ
ዝተማልአ ውሳነ ናይ ምውሳን ግዴታ ኣለዎ ፡፡
 ሓደ መዛኒ ኣብ ሓደ ፃውዒት ምዘና ንደረጃ
ብደረጃ ምዘና ክሳብ 35 ንብቃት ኣሃዱ ድማ
ክሳብ 50 ተመዘንቲ ኽምዝን ዝኽእል ኮይኑ
ፉሉይ ኩነታት ተመዘንትን እንተጋጥም ክሳብ +5
ክውስክ ይክእል ፡፡
 ካብ ሱፐርቫይዘር ዝተረከቦም ምዘናታት ብዘይ
ምንጥብጣብ ቆፂሩ ንሱፐርቫይዘር የረክብ ፡፡
35
መሰል መዛናይ
 ሓደ መዛናይ ግቡኡ ምፍፃሙ፣ ካብ ተመዘንቲ ብፅሑፍ
ጥርዓን እንተዘይቀሪብሉ፣ ምዘና ከካይድ ዝተውሃብዎ
ኩሎም ናውቲ ምዘና ቆፂሩ ምስ ኣረከበን በቲ ዝተመደበ
ሱፐርቫይዘር ምስተረጋገፀ ብመሰረት መምርሒ ምዘናን
መምርሒ ፋናንስን ግቡኡ ምፍፃሙ ካብ ዝተረጋገፀላ እዋን
ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓት ዝግበኦ ክፍሊት ይፈፀመሉ፣
 ኩሎም መረዳእታታት ኣቅሪቡ ዝግበኦ ክፍሊት ብሰንኪ

ናይቲ ትካል ናይ ኣፋፃፅማ ፀገም ብእዋኑ


እንተዘይተፈፂሙሉ ድሕሪ እቲ ተገሊፁ ዘሎ ሰዓታት ናይ
ዝፀንሓሉ እዋን ተወሳኺ ውዕሎ ኣበል መመዘኒ ማእከል
ይኸፍሎ፡፡
36
መሰል ተመዛናይ
 ሙሉእ ናውቲ ኣብ ዘለዎ መመዘኒ ማእኸል ናይ ምምዛን
መሰል ኣለዎ፡፡
 ስነ-ስርዓቱን ፀጥትኡን ኣብ ዝተሓለወ መመዘኒ ማእኸል

ናይ ምምዛን መሰል ኣለዎ፡፡


 ብእዋኑን ኣብ ሰዓቱን ውፂኢት ምዘንኡ ናይ ምፍላጥ መሰል

ኣለዎ፡፡
 ተመዛናይ ብቁዕ ኾይኑ እንትርከብ ኣብቲ ማእኸል ምዘና ካብ

ዝተወደአሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልቲ ወረቐት


ምስክር ሰርትፍኬት ወይ ድጋፍ ወረቀት ናይ ምርካብ መሰል
ኣለዎ፡፡
 
 ብድስፕሊን እንተዘይ ተቀፂዑ ዳግም ናይ ምምዛን
መሰል ኣለዎ፡፡
 ተመዚኑ ቡቁዕ ካብ ዘይኮኑሉ መዓልቲ ጀሚሩ ድሕሪ
10ተ ማዓልቲ ዳግመ-ምዘና ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ፡፡
 ኣብ ሓቅን ጭቡጥ መርተዖን ተመስሪቱ ውፅኢት ካብ
ዝተነገሮ ሰዓት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 ሰዓት ጥርዓን
ናይ ምቅራብ መሰል ኣለዎ ኾይኑ ግን ድሕሪ እዚ ሰዓት
ዝመፅእ ሕቶ ወይ ጥርዓን ተቐባልነት የብሉን፡፡

38
ግቡእ ተመዛናይ  
ኣብ መመዘኒ ማእከላት ቅድሚ 10 መዓልቲ ክምዘን ብዝደለዩ
ሞያን ብርክን ንምምዛን ዘድልዮዎ መረዳእታታትን ሒዙ ናይ
ምምዝጋብ ግድነት ኣለዎ ፡፡
ናይ ምዘና ክፍሊት ኣብ እዋን ምዝገባ ይፍፅምን ናይ ዝኸፈለሉ
ደረሰኝ ምሓዝን፡፡
ተመዛኒ 2ተ 3x4 ጉርዲ ፎቶግራፍ ንመለለዪ ካርድን
ሰርትፍኬትን ዝኾን ንሬጅስተራር ኣቀዲሙ የረክብ፡፡

39
ኣብ እዋን ምዘና ካብቲ ትካል ዝውሃቦ ናይ ሰልጣናይ
ወይ ቀበሌ መለለዪ ካርድ ብተወሳኺ ተመዛናይ ሙኳኑ
ዘረድእ መለለዪ ካርዲ ክህልዎ ይግባእ፡፡
ኣብ እዋን ምዘና ብመዛኒ ዘይተፈቀደ ዝኮነ ዝተፅሓፈ
ወረቀት፣ ሞባይል፣ ካሜራ፣ መፅሓፍ ሚሞሪ ዘለወን
ካልኩሌተራትን ካልኦትን ሒዝካ ናብ ምዘና ክፍሊ
ምእታው ፍፁም ኣይፍቀድን፡፡

40
ኣብ እዋን ምዘና ክቀድሕን ከቅድሕን ዝተረከበ ወይ
ዘየድሊ ወረቐት ሒዝካ ምእታው ኣይፍቀድን፡፡
እዚተግባር ክፍፅም/ክትፍፅም ዝተረኸበ/ት ብቀጥታ
ካብ ናይ ምዘና ክፍሊ ይባረር/ትባረር ንዝፈፀሞ/ቶ
ጥፍኣት እውን ተወሳኺ ቅፅዓት ብኤጀንሲ
ይወሃቦ/ይወሃባ፡፡
ምስ መዛናይ ኮነ ሱፐርቫይዘር ኣድላይ ዘይኮነ ጭቕጭቕ
ክፈጥር የብሉን፡፡ ሕቶ እንትህልዎ ብኣግባቡን
ንዝምልከቶ ናይ ምዘና ኮሚቴ ሰብሳቢ ብፅሑፍ ፀገሙ
ዘርዚሩ ብዘረድ እኣገባብ የቕርብ፡፡

41
ዝኾነ ይኹን ተመዛናይ ናይ ዝተመዘነሉ ሞያ ናውቲ
ምዘና/ናይምዘና ወረቐት/ምዘና ምስተጠናቀቀ ብቐጥታ ነቲ
መዛናይ ግልፂ ብዝኾነ መንገዲ ቆፂሩ ከረክቦ ኣለዎ፡፡ ናውቲ ምዘና
/ናይምዘና ወረቐት/ ሒዙ ክውፅእ ዝተረኸበ ወይ ቀዲዱ
ዝሓብአ ዝረኸቦ ውፅኢቱ ውድቂ ይኸውን ንዝፈፀሞ ጥፍኣት
እውን ተወሳኺ ቅፅዓት ብኤጀንሲ ይወሃቦ፡፡
ተመዛናይ ብቑዕ ኾይኑ እንትርከብ ውፅኢቱ ካብ ዝተነገረሉ እዋን
ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 2ተ መዓልቲ ብቑዕ ሙኳኑ ኣብ ዝመልኦ
ቅጥዒ ሰርተፊኬት ኣስተዊዒሉን ብጥንቃቀን ብዝንበብ ፊደል
ኣብ ሬጅስተራር መመዘኒ ማእከል ፎርም ክመልእ አለዎ፡፡

42
ተመዛኒ ካብቲ ዝነኣሰ ብርኪ ጀሚሩ በበጀረጅኡ ናይ
ምምዛን ግዴታ ኣለዎ ዝነኣሰ ብርኪ ከይተመዘነ ወይ ከይ
በቅዐ ዝለዓለ ብርኪ ዝተመዘነ ውፂኢቱ ውድቂ ተገይሩ
ንሓደ ዓመት ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ካብ ምዘና ይእገድ፡፡
ተመዚኑ ብቁዕ ንዝኮነሉ ብርኪን ሞያን ብዘይኣፍልጦ
ናይቲ ኤጀንሲ ደጊሙ ክምዘን ዝተረከበ ውፅኢቱ ውድቂ
ተጌሩ ቅድሚኡ ዝወሰዶም መረጋገፂ ብቅዓት ሞያ
ሰርተፊኬት ተመንጢሉ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ን 2ተ
ዓመት ንከይምዘን ይእገድ፡፡

43
ተመዚኑ ቡቁዕ ኮይኑ ከይተረኸበ ሰርቲፊኬሽን ቅጥዒ
ዝመልአ ተመዛኒ ምጭብርባር ስለ ዝኾነ ኣብሙሉእ
ኢትዮጵያ ን ሓደ ዓመት ከይምዘን ይእገድ፡፡

ኣብ እዋን ምዘና ዝኮነ ተመዛኒ ድምፂ ዘለዎ ይኩን


ዘየብሉ ዕጥቂ ወይ መሳርሒ ሒዝካ ምእታው፣ ናይ
ወታደራዊ፣ ፖሊስን ካልኦት ናይ መዓርግ ልባሳትን ለቢስካ
ምምዛን ክልኩል እዩ፡፡

44
ምትእንጋድ ጥርዓን ወይ ቅሬታ ዝምልከት
ሓደ ተመዛናይ ኣብ እዋን ምዘና ብዝነበረ ምንቅስቃስ
ዝተውሃበ ውፅኢት ዘይከዕግቦ ይክእል እዩ፡፡ በዚ መሰረት
ቅሬታ ዘለዎ ተመዛናይ ቅሬትኡ ድሕሪ ውፅኢት ምንጋሩ
ኣብ ዘሎ 3 ሰዓታት ውሽጢ ነቲ ኣብ መመዘኒ ማእኸል
ዝርከብ ናይ ቅሬት ኮምቴ ኣካቢ ጥርዓኑ ብፅሑፍ ዘርዚሩ
የቕርብ፡፡ ካብዚ ናይ ጥርዓን እዋን ወፃኢ ዝቀርብ ጥርዓን
ተቀባልነት የብሉን፡፡
 ኣብውሽጢ 24 ሰዓት ድማ ናይ ጥርዓን ውሳኔኡ
ክፈልጥ ተጌሩ እቲ ጥርዓን ክጠቃለል ኣለዎ፡፡
45
 በዚ መሰረት ካብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ብቅዓት ሞያ ዝመፀ ሱፐርቫይዘር
እንዳመርሖ ቅሬታ መቐረቢ ተመዛናይን መዛናይን መጀመርያ ብሓባር
ምርድዳእ ይገብርሉ ፡፡
 እዞም ኣካላት እዚኦም ኣብ ምርድዳእ እንተዘይ በፂሖም ግን ካብ

ኢንዳስትሪታት ሞንጎኛ በዓል ሞያ /ናይቲ ሞያ ናይ ኢንዳስትሪ ኪኢላ


ጥራሕ/ ብምውሳኽ እቲ ጥርዓን ብኣግባቡ ይርእዮዎን መዕለቢ ውሳኔ
ይህብሉን፡፡
 ብናይ ኢንዳስትሪ ሞንጎኛ በዓል ሞያ ዝተውሃበ ውሳነ ናይ መወዳእታ

ውሳነ ኾይኑ የገልግል፡፡


 ናይቲ ክዳኒ ዝመፅእ ሞንጎኛ ክፍሊት ካብ ዝተረትዐ አካል መዛኒ ወይ

ተመዛኒ 100.00 /ሓደ ሚኢቲ /ብር ይኸፈሎ፡፡

46
ኣዋህባ ምስክር ወረቀት መረጋገፂ ብቅዓት
ሞያ /ሰርትፍኬት/
 ተመዛኒቡቁዕ ኢኻ ተባሂሉ ብመዛናይ ምስተነገሮ
ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ባዕሉ ዝመልኦም
መረዳእታታት ዝሓዘ ቅጥዒ ምስ ፎቶ ግራፍ
ንዝመዝገቦ/ረጂስትራር / የረክብ። እንተዘይ መሊኡ
ሰርተፊኼት ኣብ ምስራሕ ንዘጋጥም ምጉልእላእ
ኤጀንሲ ሓላፍነት ኣይወስድን ።ብዝኾነ ይኹን
ምኽነያት ናብ ኤጀንሲ መፂኻ ሰርቲፊኼሽን ቅጥዒ
ምምላእ ኣይኻኣልን
47
 ንሰርተፊኬት ምስራሕ ዘድልዩ ቅጥዓቅጥኢ ተማሊኦም ናብ
ኤጀንሲ ኣታዊ ካብ ዝኮኑሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 20
መዓልቲ ተሰሪሑ ንዕደላ ድልው ይኸውን
 ብመሰረት ህልው ፅንዓት ዕዳጋ ናይ ምዘና ሰርተፊኬት

ንምድላው ወፃኢ ዝኸውን እንዳተፀንዐ ዝውሰን እኳ እንተኾነ


ተዳሊዩ ብዝቀረበ ዋጋ ብር 40 /ኣርብዓ ብር/ ናብ ካዝና
መንግስቲ ኣታዊ ብምግባር ኦርጅናል ሰርትፍኬቱ ይወሃብ፡፡
 ብቅዓት መረጋገጺ ሰርትፍኬት ዝውሃብ ተመዚኑ ብቑዕ ንዝኮነ

ሰብ ጥራሕ እዩ፡፡

48
 ዝተውሃቦ ጊዝያዊ ሰርትፍኬት ብዝኾነ ይኹን
ምክንያት እንተጠፊኡ ወይ ብናይ ባዕሉ ምክንያት
እንተተበላሽዩ ንሓደ ሰርተፊኬት100.00 /ሓደ
ሚኢቲ ብር/ ከፊሉ ይወስድ፡፡
 ዝተውሃቦ ኦርጅናል ሰርትፍኬት ብዝኾነ ይኹን

ምክንያት እንተጠፊኡ ወይ ብናይ ባዕሉ ምክንያት


እንተተበላሽዩ ወይ ሽም ክቅይር ንዝደሊ
200.00 /ክልተ ሚኢቲ ብር ናብ ካዝና መንግስቲ
ኣታዊ ብምግባር ሰርተፊኬት ተዳሊዩ ይውሃቦ፡፡
ኦርጅናል ሰርተፊኬት ክትከአሉ እንተዘይተካኢሉ
ግዝያዊ ሰርትፍኬት ይወሃቦ፡፡
49
 ብፉሉይኩነታት ካብ ሓደ ንላዕሊ ኦሪጅናል ይኩን
ግዝያዊ ሰርተፊኬት ዘጥፍአ ድማ ኣብልዕሊ እቲ
ዝተተመነ መጠን ክፍሊት ንሓደ ሰርተፊኬት 20
ብር ወሲኩ ብምክፋል ዝጠፍኦ ሰርተፊኬት ይወስድ፡፡

50
ንዘዳመፅኩሙኒ የመስግን!!
Thank you!

51

You might also like