You are on page 1of 4

ሼር ክትገብርዎ ነዘኻኽር!!

ጉጁለ ምትሕግጋዝ ሕሙማት መንሽሮ ኤርትራውያን ኣብ ካርቱም (ጉ/ም/ሕ/መ/ኤ/ካ) ሰብኣዊ ዕላማ ዘለዋ
ኮይና ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ፡ ሃይማኖታዊ ፡ ዓሌታዊ ኮነ ካልኦትን ጽልዋታትን ናጻ ጉጁለ አያ ።
ኣብ ካርቱም ዝሕከቡ ዘለዉ ሕሙማት መንሽሮን ኣፍልጦ ህዝብን ብዙሕ ተራ ትጻወት ዘላን እያ።
ወርሓዊ ካብቲ እተእትውዎ ቆንጪልኩም ወይ’ውን ሓገዝቲ ማሕበራት ሓቲትኩምን መስሪትኩምን
ንምሕጋዝ ኤርትራውያን ሕሙማት መንሽሮ ዝውዕል ብቑጽሪ ተለፎናት 00249962856513 ወይ
00249962856615 ነዛ ጉጅለ ከተበርክትላ ትምሕጸነኩም።
ኣነ፡ ንስኻ፡ ንስኺ፡ ንስኻትኩም፡ ኩልና ኣብ ዝኾነ እዋን ወይ ኣብ ልዕሌና ወይ በዚ ሕማም ዝጥቕዑ
የሕዋትናን ቤተሰብናን ከጋጥም ስለዝክእል ንምሕያል እዛ ጉጅለ ብኹሉ ዓቅምና ንበገስ።

ምክልኻል ሕማም መንሽሮ

ካብ 30 ክሳብ 50 ሚእታዊት ዓይነታት መንሽሮ ክትከላኸሎም ዝከኣል እዩ። ምክልኻል ካብ ብዙሕ


ክሳራታት ከድሕን ዝኽእል ዝበለጸ ናይ ነዊሕ እዋን ሜላ እዩ። ኣፍልጦ ንምዕዛዝ፡ መንሽሮ ከምጽኡ
ዝኽእሉ ጸለውቲ ባእታታት ንምጒዳልን ህዝቢ ጥዕና ዝመልኦ ኣነባብራ ሂወት ክመርሕ ሓቤረታ ምሃብን
ከም ቀዳሞት ሃገራዊ ፖሊሲታትን መደባትን ክስርዑ ኣለዎም።

1. ትንባኾ

ዓለምለኻዊ ትንባኾ ምዝውታር ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ መንሽሮ ከምጽኡ ዝኽእሉ ዝበዝሐ ዝቐትሉን
ጸለውቲ ባእታታት እዮም። መንሽሮን ካልኦት ሕማማትን ኣስዒቦም ድማ ገምጋም ከባቢ 6 ሚልዮን ሰባት
ዓመታዊ ብሞት ይቐዝፉ። ናይ ትንባኾ ትኪ ከባቢ 7000 ዝኾኑ ኬሚካላት ኣለዎ። ካብዚኣቶም እቶም
250 ጎዳእቲ ምዃኖም ተጸኒዑ እዩ። ልዕሊ 50 ዝኾኑ ድማ መንሽሮ ከምጽኡ ከምዝኽእሉ ተፈሊጡ።
ትንባኾ ምትካኽ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መንሽሮ ከምዘምጽእ ዝተፈለጠ ኮይኑ፡ ቀንዲ ከም በዓል
መንሽሮታት ሳንቡእ፡ ሻሕለለ፡ ድምጺ ሳጹን፡ ኣፍ፡ ጎረሮ፡ ኩሊት፡ ፍሕኛ፡ ቆስጠ፡ ከስዐን ማህጸንን
የስዕብ። ካብ ካልኦት ዘትክኹ ሰባት ትኪ ናይ ትንባኾ ምስትንፋስ ከይተረፈ መንሽሮ ሳንቡእ ከምዘምጽእ
ተረጋጊጹ ኣሎ። ትኪ ዘይብሎም ዓይነታት ትንባኾ (ከም ሳፋ ኣብ ኣፍ ዝሕየኹ ወይ ኣብ ልዕሊ ግርጻን
ዝምጸዩ ወይ’ወን ብኣፍንጫ ዝሽተቱ) መንሽሮታት ናይ ኣፍ፡ ሻሕለለን ቆስጠን ከምጽኡ ይኽእሉ። 80
ሚእታዊት ካብቶም ከባቢ 1 ቢልዮን ዝኾኑ ኣትከኽቲ ህዝቢ ዓለምና ኣብ ትሑትን ማእከላይን መናባብሮ
ዘለወን ሃገራት ይነብሩ።

2. ምጉዳል ምንቅስቃስ ኣካላት፡ ጽልዋታት ኣመጋግባ፡ ምክሳዕን ልዕሊ ዓቀን ክብደት ሰውነትን

ኣብ ኣመጋግባ ምምሕያሽ ሓደ ካብቶም መንሽሮ ክከላኸሉ ዝኽእሉ ኣገደስቲ ኣገባባት እዩ። ምክሳዕን ልዕሊ
ዓቀን ክብደት ሰውነትን ምስ ብዝሕ ዝበሉ ዓይነት መንሽሮታት ምትሕሓዝ ኣለዎ። ከም ኣብነት
መንሽሮታት ሻሕለለ፡ ገፊሕ ማዓንጣ፡ መናድቕ መህጸንን ኩሊትን ክጥቀሱ ይኽእሉ። ፍሩታታትን
ኣሕምልትን ዝበዝሖ ኣመጋግባ ካብ ዝተፈላለዩ መንሽሮታት ናይ ባዕሉ ምክልኻል ጥቅሚ ኣለዎ። ስሩዕ
ኣካላዊ ምንቕስቃስ፡ ምጡን ክብደት ሰውነትን ኣሕምልትን ፍረታትን ዝመልኦ ኣመጋግባን ካብ ብዙሓት
ዓይነት መንሽሮታት ክከላኸሉልና ይኽእሉ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ኣመጋግባ
ካብ ብዙሓት ዘይመሓላለፉ ሕማማት ከም በዓል ሕማም ሽኮር፡ ጸቕጢ ደም፡ ወቕዒ ልቢ፡ ስትሮክ
ሓንጎል ወዘተ ክከላኸሉልና ይኽእሉ።

3. ኣልኮላዊ መስተ ምዝውታር

ኣልኮል ምዝውታር ናይ ብዙሓት ዓይነት መንሽሮታት ከም መንሽሮታት ኣፍ፡ ጎረሮ፡ ድምጺ ሳጹን፡
ሻሕለለ፡ ጸላም ከብዲ፡ ገፊሕ መዓንጣን ጡብን ጠንቅን ጸላዊ ባእታ ክኸውን ይኽእል። ምስ ትንባኾ
ተሓዊሱ ዝያዳ ሃሳዪ ቀታልን ይኸውን። ኣብ 2010 ብሰንኪ ኣልኮል ዝስዕብ ሕማማት መንሽሮ ጥራይ
ሰብኡት ዝበዝሕዎም ገምጋም ከባቢ 337,400 ሞት ኣስዒቡ።

4. ረኽስታት

ቕድሚ ናብ ቀንዲ ኣርእስቲ ምእታውና ኣብ መንጎ ረኽስን ነድርን ፍልልይ ክንፈልጦ ኣለና። ረኽሲ ማለት
ዝኾነ ክፋል ኣካላትና ብዓይኒ ክረኣዩ ዘይክእሉ ተሃዋስያን ከም ባክተሪያ፡ ቫይረሳትን ባልዓትን ክጥቅዑ
ከለዉ እዮም። ምልክታት ከርእዩ ይኽእሉ ወይ ውን ብሕቡእ ምልክታት ከየርኣዩ ምስ ደቂ-ሰባት ክነብሩ
ይኽእሉ። ነድሪ ዝበሃል ግን ካብ ዝተፈላለዩ ጠንቕታት ማለት ካብ ረኽሲ፡ ማህረምቲ፡ ኬሚካላት፡ ሓዊ
ወይውን ኣካላትና ባዕሉ ንባዑሉ ወዘተ ተበጊሱ ኣካላትና ዘይንቡር ምልክታት ንኣብነት ሕበጥ፡ ምቅያሕ፡
ሙቆት፡ ቃንዛ፡ ኣብ ግዜ ምንቅስቃስ ሽግር፡ ፈሳሲ ምእካብ ከርኢ ከሎ እዩ።
ምመሰረት ኣብ 2012 ዝተኻየደ መጽናዕቲ 15 ሚእታዊት ካብ ኩሎም ዓይነታት መንሽሮ ምስ ረኽስታት
ዝተኣሳሰሩ እዩም። ገለ ካብዞም ረኽስታት ኣብ ከስዐ ረኽሲ ከምጽእ ዝኽእል ሄሊኮባርተር ወይ ኤች
ፓይሎሪ (helicobacter pylori)፡ ሂዩማን ፓፒሎማ ቫይረስ (human papilloma virus (HPV))፡ ወይቦ
ዘስዕቡ ቫይረሳት (hepatitis B and C)፡ ኤፕስተይን ባር ቫይረስ (Epstein-Barr virus) እዮም። ኣብ
ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዘለዋ ሃገራት ካብ ዝረኣዩ መንሽሮታት እቲ 50 ሚእታዊት ብሰንኪ ረኽሲ ዝተሓሓዝ
እዩ። ጸረ ናይ ጸላም ከብዲ ቫይረስ ቢ (hepatitis B)፡ ሂዩማን ፓፒሎማ ቫይረስ (human papilloma
virus (HPV)) ክታበታት ተማሂዞም ይስረሓሎምን ስለዘለዉ ኣብ ምክልኻል መንሽሮታት ጸላም ከብድን
ክሳድ ማህጸንን ኣዝዮም ዓቢ ተራ ኣለዎም።

5. ከባብያዊ ብከላ

ኣብ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ተሞርኲሱ ብዝተፋላለዩ መንሽሮታት ከምጽኡ ዝኽእሉ ኬሚካላት ዝፍጸም


ብከላ ኣየር፡ ማይን ሓመድን ኣሎ። ብከላ ኣየር ኣብ ዓመተ 2012 3.2 ሚሊዮን ዝኸውን ሞት ኣስዒቡ።
ካብዚ እቲ 200,000 ቁጽሪ ብሰንኪ መንሽሮ ሳንቡእ እዩ። ብተወሳኺ ገማጋም ከባቢ 4 ሚልዮን ሞት
ብሰንኪ ኣብ ገዛ ኣብ ምብሳል መግቢ ዝሕግዙ ጋዛት ብከላ ኣየር ይስዕብ። ካብዚኣቶም 6 ሚእታዊት ካብ
መንሽሮ ሳንቡእ ዝስዕቡ መቅዘፍቲ እዮም። ኣብ ውሽጢ ገዛውቲ ዝካየድ ካብ ምቅጻል ፈሓም ዝወጽእ
ብከላ ሓደ ካብቶም መንሽሮ ሳንቡእ ከምጽኡ ዝኽእሉ ጸለውቲ ባእታታት ኮይኖም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ
ኣንስቲ ሞት ከስዕቡ ይኽእሉ። ካርቦን ሞኖክሳይድ (carbon monoxide) ዝበሃል ካብ ፈሓም ዝወጽእ
ጋዝ ጨና ዘይብሉ ምስ ደምና ልዕሊ ኦክስጂን ምትሕውዋስ ተኽእሎ ዘለዎ ከየቀንዘወ ኣደንዚዙ ዝቀትል
እዩ። ሕልፍ ኢልና ኣብ ዝኾነ ወረ ካብ ብንእሽቶና ንሰምዖ ብምዕባስ ዝመጽእ ዜናታት ሞት እዩ። ስለዚ
ዋላ’ኳ ቀጥታዊ ምስ መንሽሮ ሳንቡእ ምትእስሳር እንተዘይብሉ ኣብ ነዊሕ ግዜ ሃስያ ኣስዒቡ ከምጽእ
ስለዝኽእል፡ ኣብ ክፉት ቤት ኣየር ዘለዎ ፈሓም ክንጥንቐቕ ከምዘለና ክንሕብር ንፈቱ። እንበልዖ መግቢ
ብመንሽሮ ከምጽኡ ዝኽእሉ ኬሚካላት ከም ኣፍላቶክሲን ወይ ዳይኦክሲን (aflatoxins or dioxins)
እንተተበኪሉ’ውን ዝተፈላለዩ መንሽሮታት ከስዕበልና ይኽእል። ኣብ ካልእ ግዜ ኣስፊሕና ክንዝርዝሮ ኢና።
6. ምስ ዕዮ ወይ ስራሕ ዝተሓሓዙ መንሽሮ ከምጽኡ ዝኽእሉ መንሽሮታት
ልዕሊ 40 ዝኾነ ኣብ ዕዮ ወይ ስራሕ ዘጋጥሙ ከሚካላት ወይ ቀመማት መንሽሮ ከስዕቡ ከምዝኽእሉ
ተፈሊጡ ኣሎ። ብፍላይ ኣብ ገለ ስርሓት ኣዝዮም ምትእስሳር ዘለዎም እዮም። ነኣብነት መንሽሮ ምናድቕ
ናይ ሳንቡእ ወይ ሜዞተልዮማ (Mesothelioma) ብዓቢኡ ምስ ኣብ ስራሕ ዘጋጥም ኣስቤስቶስ ዝበሃል
ኬሚካል ምቅላዕ ዘጋጥም እዩ። ኣስቤስቶስ ኣብ ዝኣረጉ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ጎዳእነቱ ከይተፈልጠን
ከይተኣልየን ከሎ ዝተሰርሑ ገዛውቲ፡ ኣብ መናድቕን ናሕስታትን ይርከቡ።

7. ጨረርታ
ንዝተፈላለዩ ካብ ተፈጥሮን ሰብ-ዝሰርሖን ጨረርታ ምቅላዕ ከም መንሽሮ ደምን ካልኦት ጥረታትን
ከምጽኡ ይኽእሉ። ብንኡስ ዕድመ ወይውን ብዙሕ ግዜ ምቕላዕ ዝያዳ ሓደገኛነት ኣለዎ። ኦልትራቫዮለት
(Ultraviolet (UV)) ዝበሃል ካብ ጸሓይ ክርከብ ዝኽእል ጨረርታ ነቶም 3 ቀንዲ ዓይነታት መንሽሮ
ቆርበት ከስዕብ ይኽእል። ካብ ብዙሕ ጨረርታ ጸሓይ ምቅላዕ እንተወጊድካ፡ ጨረርታ ከከላኸሉ ዝኽእሉ
ስክሪን ወይ መገራጀታት ወይ ክዳውንቲ እንተተጠቂምካ መንሽሮ ቆርበት ክትከላኸሎ ትኽእል።
ብተወሳኺ ኣብ ሕክማና ከም መመርመርን ፍወሳ ዝጠቅሙ ጨረርታ ዘመንጭዉ ኣለዉ። እዚኣቶም ኣብ
ቆልዑ ብፍላይ ክውገዱ ወይ ድማ ኣብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዋናት ክዝውተሩ ዘለዎም እዮም። ነኣብነት ከም
ኤክስ ረይ ራጂ፡ ሲቲ ስካን (CT-scan)፡ ፍወሳ ጨረርታ (radiotherapy) ክጥቐሱ ይከኣሉ። ነኣብነት
ጨረርታ ሲቲ ስካን (CT-scan) ክንዲ 100 ክሳብ 300 ግዜ ጨረርታ ናይ ሳንቡእ ራጂ (Chest x-ray)
እዩ።

ምንጪ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ዝተወስደ ጽሑፋት

ትርጉም ዶ/ር ሓድነት ዑቕባይ

መዘኻኸሪ፡ ዝኾነ ስራሓት ናይዛ ጉጅለ ሼር (share) ክትገብርዎን ህዝብና ክፈልጥን ጉጅለ እንዳተባበዐት፡
ብዘይ ፍቓድ ኮፒ ወይ ዶውንሎድ (copy or download) ምግባር ከምዘይፍቀድ ትሕብር። የቀንየልና!!!!

You might also like