You are on page 1of 6

ብትግራይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ

ቤተ ክርስቲያን
ኦሜጋ ቲኦሎጂ ቤት ትምህርቲ

ደቂቀ መጋቤ ሐዲስ


እስጢፋኖስ ቡሩክ ተስፋይ
December 12
እንመን
እዮም? 2022
ፅፁይ ታሪኽና ንፍለጥ
ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብሸዋ ዘመነ መንግሥቲ

ደቂቀ እስጢፋኖስ
እንመን እዮም?
ክፍሊ 12
፩. ናይ ቅዱስ እስጢፋኖስ ናይ መወዳእታ ሰማእትነት
አባ እስጢፋኖስን ተኸተልቱን ንንጉስ ዘርኣ ያእቆብ ኣብ ትግራይ ክኖም ብመንፈስ
ከምዘይሰግዱ ምስተረጋገፀ እንደገና ብንጉስ ትእዛዝ ን4ይ ጊዜ ሃፀይ ዘርኣ ያዕቆብ ናብ
ዘለውዎ ምደረ ሸዋ ጉዕዞ ጀመሩ። ኣባ እስጢፋኖስ ብስቓይ ብዝሓት ብእግሩ
ምኻድ ስለዘይክእል ብቓሬዛ ተሸኪሞሞ እናኸዱ ኣብ ደቡብ ትግራይ “ዐፀላ” ኣብ
ዝተብሃለ ቦታ ምስ በፅሑ ናይ ዐፀላ ወረዳ ኣምሓዳሪ ኣብ ቓሬዛ ንዘሎ አባ
እስጢፋኖስ ንንጉስ ንክሰግድ ሓተቶ። ኣባ እስጢፋኖስ ድማ ከምቲ ኩሉ ጊዜ
ከምዘይሰግድ መልሲ ሃቦ።
እቲ ኣምሓዳሪ ግና ንቅዱስ እስጢፋኖስ 15 ጊዜ ገረፎ።
ንተኸተልቱውን ደሞም እስካዕ ዝፈስስ ብምግራፍ ንንጉስ ዘርኣ ያእቆብ ተኣመንነቱ
ገለፀ።
ጉዕዝኦም ቐፀሉ፤ ንጉስ ዘርኣ ያእቆብ ናብ ዘለዎ ከተማ “ምድረኤባ” (ደብረ ብርሃን)
በፅሑ። ሐዝውን ከም ዝተለመደ ናይ ስግደት ጉዳይ ሕቶ ንኣባእስጢፋኖስ ቐረበሉ።
ኣባ እስጢፋኖስውን ንነገስታት ከምዘይሰግድ ኣረጊፁ ኣረድአ።
ብድሕሪኡ ብንጉስ ትእዛዝ ንእስጢፋኖስን ምስኡ ዝመፁ እስጢፋኖሳውያንን ብሓደ
ኣኪቦም ጅማቶም ብምውፃእ ክሳቐዩ ገበሩ።
ኣባ እስጢፋኖስ ግና ክልተ ኣእዳዉ ተቖሪፁ ንበይኑ ኣብ ዓዲ ኣረማውያን ክእሰር
ተወሰነ። ንሸውዓተ ወርሒ ምስ ተሳቐየ ታሕሳስ 18/ 1448 ዓ.ም ናይ ክርስቶስ ስም
ሰለስተ ጊዜ ፀዊዑ ዓረፈ። ካብ ገድሊ ኣቡነ እስጢፋኖስ ዝተረኸበ ታሪኽ ብሓፂሩ
እዙይ ይመስል። በረከቱን ረድኤቱን ይሕደረና።
ብሃፀይ ዘርኣ ያእቆብ ክንደይ እስጢፋኖሳውያን ተቐቲሎም?
ብሃፀይ ዘርኣ ያዕቆብ ልዕሊ 7ሺሕ ዝኣኽሉ ደቂቀ እስጢፋኖስ ከም
ዝተቐተሉ ኣብ ገድለ አኃው 1ይን 2ይን ብዝርዝር ተፅሒፉ ይርከብ።
ናይ ደቂቀ እስጢፋኖስ ኣብ ኢትዮጵያ ምንባር ንነገስትታት ድቃስ
ዘውስድ ኣይነበረን። እዙይ ዝኾነሉ ምኽንያት እስጢፋኖሳውያን
ጠንካራ ናይ ፖለቲካ ተቓወምቲ ስለዝነበሩ ኣይኮነን።
እንድያውም እንቅስቃሴኦም ካብ ፖለቲካ ብጣዕሚ ዝረሓቐ እዩ
ነይሩ።
ነገስትታቱ ንእስጢፋኖሳውያን ዝፀልእሉ ዋና ምኽንያት ኣብ ገድላቶም ከም ዝተፅሓፈ:-
ቀዳማይ:- ከምዞም መላኸዕቲ መነኮሳት ወይም ካህናተ ደብተራ ነገስትታቱ ንዝኾነ ጉዳይ ክወፁ
ክኣትዉ፣ ኣብ ሸንጎ ክቕመጡ፣ ግብሪ ከብልዑ ከለዉ ኣብ ከሉ ቦታ ተረኺቦም ለዘይሰግድሎም
ዝተንዓቑ እናመሰሎም፣
ኽልኣይ:- ህዝቡ ብደቂቀ እስጢፋኖስ ስብከት በብመዓልቱ ስለዝስሓቡ ብዙሕ ተኸታሊ
ስለዘፍረዩ “ንነገስታት ዘይሰግድ ህዝቢ ክበዝሕ እዩ” ኢሎም ስለዝሰግኡ እዩ።
ነገስትታቱ ንስግደት ብቐሊሉ ዝሪእዎ ኣይነበረን። “ንንጉስ ስገዱ” ዝብል ዓረፍተ ነገር ኣብ ገድለ
ኣኃው ወኣኃት ጥራሕ 86 ጊዜ ተጠቒሱ ኣሎ።
እስጢፋኖሳውያን ግና ዋላ ሓንቲ ጊዜ ኣይተቐበልዎን። በዚ ዝተልዓለ ደቂቀ እስጢፋኖስ ኣብ
ኢትዮጵያ ምንባር ኣድላዪ ኾይኑ ኣይተረኸበን። ስለዝኾነ ብዘይ ርህራሄ ክጭፍጨፉ ነይሩዎም፣
ተጨፍጨፉ ዲማ።

You might also like