You are on page 1of 174

ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ

ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣስመራ - ኤርትራ

፳፻፱ (2017)

1
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሰዋስው
ሰዋስው ሶሰወ ኻብ ዚብል ቃል ግዕዝ ዝነቐለ ኾይኑ፡ ብቕልል ዝበለ ኣገላልጻ፡ ንቛንቋ
ትሕዝቶኡ ዝነጸረን ዝዓመቘን ምእንቲ ኺኸውን፡ በብደረጃ ዚገርሕ ሕጊ ማለት እዩ።
ሓደ ቛንቋ፡ ብውሑዱ ኣድማዒ ምእንቲ ኺብሃል፡ ካብቲ ኣደዃዅናኡን ኣነዳድቓኡን
ኣመና ኸይረሓቐ፡ ንኣካል፡ ንብዝሒ፡ ንጾታ፡ ንግዜ፡ ንኣረባብሓን ኣዕማድን ግሲ፡
ንኣገባብኣ ቓላት ዚምልከት ሕጊ ሰዋስው ኪሕሉ ግድን የድሊ።

ሰዋስው ትግርኛ ኣብ ሸሞንተ ናይ ንግግር ክፍሊ ይምቀል። ንሱ ድማ፤

፩. ስም ፭. ተውሳኸ-ግሲ
፪. ተውላጠ ስም ፮. መስተዋድድ
፫. ቅጽል ፯. መስተጻምር
፬. ግሲ ፰. ቃለ-አጋንኖ

፩ ስም

ስም ኣብ ኣርባዕተ ይምቀል። ንሱ ድማ፤

፩. ናይ ተጸውዖ ስም
፪. ናይ ሓባር ስም
፫. ናይ እኩብ ስም
፬. ናይ ረቂቅ ስም

፩. ናይ ተጸውዖ ስም

ንዝኾነ ሰብ፡ እንስሳ፡ ቦታ፡ ህዝቢ፡ ወይ ነገር ናይ ውልቂ መርቍሒኡ እዩ። ንኣብነት፤
በርሀ፡ ፋጥና፡ እምባሶይራ፡ ጐፋር (ንኸልቢ)፡ ኣስመራ፡ ኤርትራ፡ ኣፍሪቃ፡ (ፈለግ) ሰቲት፡
ወርሒ፡ ማርስ፡ መስከረም፡ ሰኑይ፡ ልደት፡ ዓረፋ፡ ወዘተ...

፪. ናይ ሓባር ስም

2
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ንሰብ፡ እንስሳ፡ ዕጸዋት፡ ኣቕሑ፡ መሳለጥያ፡ ወዘተ... ናይ ሓባር መርቍሕን መለለይን


እዩ። ንኣብነት፤ ሰብኣይ፡ ሰበይቲ፡ ኤርትራዊት፡ ብዕራይ፡ ላም፡ ቈልቋል፡ መሰጣሕ፡ ስዋ፡
ጣይታ፡ ቅጫ፡ ህበይ፡ ለዃዂቶ፡ ሓርገጽ፡ ፈለግ፡ ቀላይ፡ ድኳን፡ ዓራት፡ ወዘተ...

ብጀካ'ዚ፡ ናይ ሓባር ስም፡ ተፈቃዳይን ዘይተፈቃዳይን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይምቀል።


እቲ ዘይተፈቃዳይ፡ ብመጠን፡ ብስፍሪ፡ ብኽፋል፡ ወዘተ... ደኣ እዩ ዚግለጽ'ምበር፡ ናይ
ድርብ መልክዕ የብሉን። ንኣብነት፤

(ሀ) ተፈቃዳይ

ክልተ ሰብኡት፡ ሰለስተ ኣንስቲ፡ ጽምዲ ኣብዑር፡ ሸሞንተ ኣጓዱ፡ ኣርባዕተ ማኻይን፡
ምእቲ ደራሁ፡ ሓምሽተ ዓታሩ፡ ወዘተ...

*ብልምዲ እቲ ስም ብኣሃዝ ዝተሰነየ ምስ ዚኸውን፡ ብንጽል መልክዕ ኪዝውተር


ይክኣል። ንኣብነት፤ ክልተ ሰብኣይ፡ ሰለስተ ሰበይቲ፡ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሸሞንተ ኣጕዶ፡
ኣርባዕተ ማኪና፡ ምእቲ ደርሆ፡ ሓምሽተ ዕትሮ፡ ምባል ቅቡል እዩ።

(ለ) ዘይተፈቃዳይ

ክልተ ኺሎ ስጋ፡ ስግርፍኦ ስገም፡ ዕማኾ ቖሎ፡ ሒደት ቀለም፡ ወዘተ...

*ኣብቲ ዘይተፈቃዳይ፡ እቲ ናይ ሓባር ስም ከም ዘይድረብ ምስትብሃል የድሊ።

፫. ናይ እኩብ ስም፣

ናይ ሓባር ስም ዘሎዎ፡ ህያውን ኢህያውን ኣካላት ወይ ነገራት ብእኩብ ዚጽውዓሉ


መለለዪ እዩ። ንኣብነት፤ ስድራ፡ ተማሃሮ፡ ሰራሕተኛታት፡ ኤርትራውያን፡ ጋንታ፡ ኣሓ፡
መጋርያ፡ ጭፍራ፡ እኩብ፡ ዘለላ፡ ኩምራ፡ ንህቢ፡ እንጌራ፡ ስጋ፡ ወዘተ...

፬. ናይ ረቂቕ ስም፣

3
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ብሓምሽተኡ ናይ ሰብ ህዋሳት ንዘይድህሰስ ወይ ንዘይህወስ ነገር መጸውዒ እዩ።


ንኣብነት፤ ታሕጓስ፡ ጓሂ፡ ጽባቐ፡ መልክዕ፡ ትብዓት፡ ፍርሒ፡ ስክፍታ፡ ጥርጠራ፡ ዓመት፡
ዓሚ፡ ለብዘበን፡ ዘመን፡ ወዘተ...

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝተዳለወ ኣብ ገሊኡ ናይ ሰዋስው መጽሓፍ፡ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት


ዚውዕል ኣቕሓ ወይ መሳለጥያ፡ ካብቲ ናይ ሓባር ስም ብምፍላይ፡ ኣብ ትሕቲ “ናይ
ቍሳቝስ ስም” ዝሰርዖ ኣሎ። ኣብዚ ግና፡ ክልተኡ ኣብ ትሕት'ዚ ናይ ንግግር ክፍል'ዚ
ምምዳብ ዝሓሸ ኾይኑ ተረኺቡ ኣሎ።

ጾታ

ስም ሰለስተ ዓይነት ጾታ ኣሎዎ። ንሱ ድማ፡ ተባዕታይ ጾታ፡ ኣንስታይ ጾታ፡ ኣጓጕል


ጾታ ይብሃል።

ኣጓጕል ጾታ ብግደኡ ናይ ሓባር ጾታን ግኡዝ ጾታን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ኺኽፈል


ይክኣል።

፩. ተባዕታይ ጾታ

ንተባዕታይ ንዝጾታኡ ሰብ ወይ እንስሳ ጥራይ ዚዝውተር መርቍሒ እዩ። እቲ ጾታ፡


ዝምድና፡ ሞያ፡ ባህሪ፡ ዕድመ፡ ወዘተ... ዚፈሊ ኺኸውን ይኽእል። ንኣብነት፤ ኣቦ፡ ኣኮ፡
ንጉሰ፡ ዓሊ፡ ኣባሓጎ፡ ሰብኣይ፡ ጐንበለ፡ ዕንዱ፡ ተዋሳኣይ፡ ደራፋይ፡ ሸቃላይ፡ ነጋዳይ፡
ብዕራይ፡ ጋውና፡ ወጠጦ፡ ወዘተ...

፪. ኣንስታይ ጾታ

ንኣንስታይ ዝጾታኣ ሰብ ወይ እንስሳ ጥራይ ዚዝውተር መርቍሒ እዩ። ንኣብነት፤ ሳባ፡


ኣደ፡ ኣሞ፡ ንግስቲ፡ እኖሓጎ፡ ሰበይቲ፡ ጐርዞ፡ ሕንጢት፡ተዋሳኢት፡ ደራፊት፡ ሸቓሊት፡
ነጋዲት፡ ላም፡ መበል፡ ኣርሕዶ፡ ወዘተ...

*ኣብ ሞያ ብዚምልከት ተባዕታይ ጾታ ብድሕሪኡ "ኣይ" እናተለቀበ፡ ሸቃላይ፡ ነጋዳይ፡


ወዘተ እናበለ ብራብዕን ሳድስን ይውድእ፡ ኣንስታይ ድማ "ኢት" ተለቂቡሉ፡ ሸቃሊት፡
ነጋዲት፡ ወዘተ እናበለ ብሳልስን ብሳድስን ይዛዝም።

4
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

፩.ኣጓጕል ጾታ

(ሀ) ናይ ሓባር ጾታ፡

ጾታኡ ንዘይተረጋገጸ ሰብ ወይ እንስሳ ዚዝውተር መጸውዒ እዩ። ንኣብነት፡ ሕጻን፡


ቈልዓ፡ ዘመድ፡ ሓኪም፡ ጅግና፡ ከልቢ፡ ደርሆ፡ ህዝቢ፡ ኣራዊት፡ ጋንታ፡ ተዓዘብቲ፡ ሰባት
ወዘተ…

ናይ ሓባር ጾታ ኣብ ዓረፍተነገር ኪዝውተር ከሎ ግዳ በቲ ንኡ ዘሰነየ ቅጽል ወይ


ተለቃቢ ተውላጠስም ጾታኡ ኺፍለ ግድነት ይኸውን። ንኣብነት፣ እቲ ሕጻን እታ
ሕጻን እቲ ቘልዓ እታ ቘልዓ እቲ ዘመድ እታ ዘመድ እቲ ሓኪም እታ ሓኪም እቲ
ጅግና እታ ጅግና እቲ ኸልቢ እታ ኸልቢ እቲ ደርሆ እታ ደርሆ እቲ ህዝቢ እታ
ህዝቢ እቲ ኣራዊት እታ ኣራዊት እቶም ሰባት እተን ሰባት እቲ ጋንታ እታ ጋንታ
እቶም ነጋዶ እተን ነጋዶ ወዘተ. . .

(ለ) ግኡዝ ጾታ፣

ህይወት ንዜብሉ ወይ ረቂቕ ነገር መርቝሒ ይዝውተር። ግኡዝ ጾታ ብተለምዶ


ብተባዕታይ ወይ ብኣንስታይ እዩ ዚጥቀስ። እዚ ድማ ኣብ ስምዒት ዚምርኰስ ማለት፡
ንደቂቕ፡ ንጽቡቕ፡ ንድኹም፡ ወዘተ. ብኣንስታይ ጾታ፡ ንሓያል፡ ንገዚፍ፡ ንድልዱል፡
ንግናይ፡ ወዘተ. ድማ ብተባዕታይ ይርቋሕ። ንኣብነት፤ ጸሓይ ናይ ንግሆ ኽትጥዕም!
ሎሚ ብርቱዕ ሃሩር ኣሎ።

ድርብ ናይ ስም

ኣገባብ ኣበዛዝሓ ስም ኣብ ትግርኛ፡ ብርክት ዝበለን ዝተሓላለኸን እዩ። ካብቲ ዝውቱር


ኣበዛዝሓ፡ እዚ ዚስዕብ ይርከቦ።

፩. "___ታት" እናተለቀበሉ ዚድረብ፣

ንጽል ድርብ ሕጊ ሕግታት


ዓዲ ዓድታት
አደ አደታት ክፍሊ ክፍልታት

5
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ንጽል ድርብ ርባ ርባታት


ድዋ ድዋታት
ቦታ ቦታታት ሓጥያተኛ ሓጥያተኛታት

ብፊደል ሳልስ ዚውድእ ስም ኪድረብ ከሎ፡ እቲ ሳልስ ናብ ሳድስ ተለዊጡ “ታት”


ይልቀበሉ። ካብ ሕጂ ንደሓር፡ ነቲ ሸውዓቲኡ ናይ ፊደል ድምጺ፡ ከከም ተርታኡ፤
ግዕዝ=1፡ ካዕብ=2፡ ሳልስ=3፡ ራብዕ=4፡ ሓምስ=5፡ ሳድስ=6፡ ሳብዕ=7 እናተጻሕፈ
ኪውከል እዩ ።

፪. "___ኣት" እናተለቀበሉ ዚድረብ፤

ንጽል ድርብ

ሕቡር ሕቡራት
ስራሕ ስራሓት
ቈቛሕ ቈቛሓት
ቍራዕ ቍራዓት
ጐራሕ ጐራሓት
ጥዑም ጥዑማት
ጨካን ጨካናት

*ዚበዝሕ ግዜ እቲ ንጽል ስም 146 ( ግዕዝ፡ ራብዕ፡ ሳድስ)፡ 626 (ሳድስ፡


ካዕብ ፡ ሳድስ) ወይ 646 (ሳድስ፡ ራብዕ፡ ሳድስ) ምዃኑ ኣስተብህል።

፫. መጠረሽታ ኽልተ ፊደላቱ ናብ ራብዕን ካዕብን እናተለወጠ ዚድረብ፤

ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ


ሳርማ ሳራሙ ጭሩ ጨራሩ
ወኻርያ ወኻሩ ደርሆ ደራሁ
መሸላ መሻሉ ማንታ መናቱ
ወዘተ...

፬. ከም ናይ ግዕዝ ኣገባብ (ብ4646) ዚድረብ፤

6
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ

ከረን ኣኽራን ክንፊ ኣኽናፍ


ገመል ኣግማል ፈለግ ኣፍላግ
ገረብ ኣግራብ ከልቢ ኣኽላብ
ክሻ ኣኽያሽ ወዘተ...

*እቲ ድርብ ብ “ኣ” ጀሚሩ ብሳድስ ከም ዚውድእ ኣስተብህል። እቲ ኣብ


ላዕሊ ዝተዘርዘረ ብዘይ ጐረሮኣዊ ዚጅምር ንጽል እዩ። ብጀካ'ዚ፡ እቲ ድርብ ብልምዲ፡
ኣኽራናት፡ ኣፍላጋት፡ ኣኽላባት፡ ኣእላፋት፡ ወዘተ... ኪብሃል ይስማዕ'ዩ፤ ግና፡ ኪእረም
ይግባእ።

፬. ከም ናይ ግዕዝ ኣገባብ (ብ4646) ዚድረብ፤

ንጽል ድርብ ጌጋ ድርብ

ኦም ኣእዋም የእዋም
ኢድ ኣእዳው የእዳው
ሓው ኣሕዋት የሕዋት
ዑፍ ኣዕዋፍ የዕዋፍ
እልፊ ኣእላፍ የእላፍ
እምኒ ኣእማን የእማን
ወዘተ...

*እቲ ድርብ ብ “ኣ” ጀሚሩ ብሳድስ ከም ዚውድእ ኣስተብህል። እቲ ልዒሉ


ዝተዘርዘረ ብጐረሮኣዊ ዚጅምር ንጽል ቃል ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ። እቲ ብልምዲ፡
የእዋም፡ የእዳው፡ የሕዋት፡ የዕዋፍ፡ የእላፍ፡ የእማን፡ ወዘተ... እናተባህለ ዚዝረብ ግና፡
ኪእረም ይግባእ።
፭. ከም ናይ ግዕዝ ኣገባብ ብ1466 ፤

(ሀ)
ንጽል ድርብ

7
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ብሩር በራውር
መቕበር መቓብር
ሱር ሰራውር
ወዘተ...

*እዚ ብዘይጐረሮኣዊ ዚጅምር ድርብ ምዃኑ ኣስተብህል።

ከም ናይ ግዕዝ ኣገባብ ብ4466 ዚድረብ፤

(ለ)

ንጽል ድርብ

በጽሒ ኣባጽሕ
በጊዕ ኣባጊዕ
ወርቂ ኣዋርቕ ወዘተ...

*እዚ ብጐረሮኣዊ ዚጅምር ድርብ ምዃኑ ኣስተብህል።

፮. ብናይ ግዕዝ ኣገባብ፡ ብናይ ትግርኛ ላዛ ብ46663፤

(ሀ)

ንጽል ድርብ

ቈጽሊ ኣቝጽልቲ
ዓይኒ ኣዕይንቲ
ዓጽሚ ኣዕጽምቲ

(ለ) ብናይ ግዕዝ ኣገባብ፡ ብናይ ትግርኛ ላዛ ብ14663 ዚድረብ፤

ንጽል ድርብ
መስፍን መሳፍንቲ

8
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

መልኣኽ መላእኽቲ
መኰንን መኳንንቲ ወዘተ...

ሐ) ብናይ ግዕዝ ኣገባብ፡ ብናይ ትግርኛ ላዛ ብ 4626 ዚድረብ፣

ንጽል ድርብ

ኣድጊ ኣእዱግ
ዓንዲ ኣዕኑድ
ዓርኪ ኣዕሩኽ

*እቲ ንጽል ብጐረሮኣዊ ኸም ዚጅምር ኣስተብህል

፯. ከም ናይ ግዕዝ ኣገባብ፡ ብዘይስሩዕ ብኣናብባ ትግርኛ ዚበዝሕ፤

ንጽል ድርብ

ኮኸብ ከዋኽብቲ
ኵርምቲ ኰራርምቲ
ጋኔን ኣጋንንቲ
ዕየት ዕያውቲ
ክዳን ክዳውንቲ
ንዋት ናውቲ (ነዋውቲ) ወዘተ...

፰. ካብ ግዕዝ ተወራሪዱ ዚድረብ፤

ንጽል ድርብ

ቤት-ትምህርቲ ኣብያተ-ትምህርቲ
ቤት-ምግቢ አብያተ-ምግቢ
ቤት-ክርስቲያን ኣብያተ-ክርስቲያን
ቤት-ንባብ ኣብያተ-ንባብ
ቤት-መስተ ኣብያተ-መስተ

9
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሊቀ-ኻህናት ሊቃነ-ኻህናት ወዘተ...

፱. ብዘይስሩዕ ዚድረብ፤

ንጽል ድርብ

ሰብኣይ ሰብኡት
ጓል ኣዋልድ
ሰበይቲ ኣንስቲ
ብጻይ ብጾት
መርዓት መርዑት
ወዲ ኣወዳት ወዘተ...

፲. “ወድ_”፡ “ጓል_”፡ “ብዓል_” ዚብል ጥብቆ-ቕድሚት ዘሎዎ ኺድረብ ከሎ፤

ንጽል ድርብ

ወድ-ገዛ ደቅ-ገዛ
ወድ-ሰብ ደቅ-ሰብ
ጓል-ሰብ ደቅ-ሰብ
ጓል-ዓዲ ኣዋልድ-ዓዲ
ብዓል-ሞያ ሰብ-ሞያ
ብዓል-ቅያ ሰብ-ቅያ
ብዓልቲ-ሓዳር ኣንስቲ/ሰብ-ሓዳር
ሰብኣይ-ሓዳር ሰብኡት/ሰብ-ሓዳር

፲፩. ናይ እኩብ ወይ ናይ ረቂቕ ስም ብድርብ ምርቋሑ ግድነት ዜድሊ ኣይኮነን።


ንኣብነት፤ ዕሰለ ኣንበጣ፡ ቀፎ ንህቢ፡ መዓት ሃመማ፡ ሽሾ ሰራዊት፡ ሒደት ህዝቢ፡
ብዙሕ ተስፋ፡ ቍሩብ ሓልዮት፡ ክልተ ሓሳብ፡ ሰለስተ ኣገባብ፡ ቍሩብ ሜላ፡ ወዘተ...
ምባል ይክኣል፣ ይምረጽ’ውን።

፲፪. ኪቚጸር ዘይክኣል ነገራት፡ ከምኒ፡ ፈሳሲ፡ በናኒ፡ እኽሊ፡ ገንዘብ ወዘተ... መጠኑ
ብምርቋሕ ብንጽል ጥራይ እዩ ዚዝውተር። ንኣብነት፤ ክልተ ኣበስንቲ ጠስሚ፡ ሰለስተ

10
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ጥርሙስ ነቢት፡ ሰለስተ ኺሎ ስጋ፡ ሽሕ ቅርሺ፡ ብዙሕ ገንኢ ጋዝ፡ ሰለስተ ጣቓ ዓለባ፡
ወዘተ...

ኣብዚ ጕዳይ’ዚ፡ ኣበስንትታት፡ ጠራሙስ፡ ኺሎታት፡ ኣቕራሽ፡ ኣጋንእ፡ ጣቓታት ወዘተ


ብምባል ምድራብ ዜድሊ ኣይኮነን።

፲፫. ድርብ ክነሱ ከም ንጽል ዚዝውተር፡ ንኣብነት፤ መቓብር፡ ኣጻብዕ፡ ኣጽዋር፡ ጋማት፡
ናውቲ፡ ወዘተ...

፲፬. ሓድሓድ ግዜ፡ ስም ብቝጽሪ ብዙሕ ክነሱ፡ ብንጽል ምርቋሕ ይክኣል እዩ፤ ብፍላይ
ድማ ኣብ ተራ ዝርርብ። ንኣብነት፤ ጽምዲ ብዕራይን ሰለስተ ላሕምን ዝነበሮ፡ ሕጂ ግና
ዓሰርተ ደርሆ ጥራይ ኣሎዋኦ።

፲፭. ብኣሃዝ ወይ መጠን ዚግለጽ ናይ ረቂቕ ስም ብንጽል ጥራይ ኪዝውተር ይምረጽ።

ንጽል ድርብ

ሓንቲ ሓሳብ ሰለስተ ሓሳብ


ሓደ ውጥን መዓት ውጥን
ሓደ ድልየት ክልተ ድልየት
ሓደ መደብ በብዓይነቱ መደብ
ሓንቲ ትምኒት ብዙሕ ትምኒት
ሓደ ተስፋ ቍሩብ ተስፋ
ሓደ ሻቕሎት ዝተፈላለየ ሻቕሎት
ሓደ ስክፍታ ብዙሕ ስክፍታ

ምያ፣
ስም ተውላጠስም ወይ ተለቃቢ ተውላጠስም ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓረፍተነገር ብሰለስተ
ምያ ይኽሰት። ንሱ ድማ፣

፩. ብዓልቤት- ኣብ ሓደ ዓረፍተነገር፡ ካብቲ (ሓረጋዊ) ግሲ ብምብጋስ መን ወይ እንታይ


ዚብል ሕቶ ምስ ዚቐርብ በቲ ዚውሃብ መልሲ ይርከብ።

11
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

መብራት መጺኣ። መን መጸ? መብራት።


ኣብ ሽግር ወዲቑ።
መን ኣብ ሽግር ወደቐ? (_ኡ) ንሱ።
ስለዚ መብራትን ንሱን ነናይ ዓረፍተ ነገሮም ብዓልቤት እዮም።

፪. ተሳሓቢ - ኣብ ሓደ ዓረፍተነገር፡ ካብቲ (ሓረጋዊ) ግስን ካብ ብዓልቤትን ብምብጋስ


ንመን ወይ ንእንታይ ዚብል ሕቶ ምስ ዚቐርብ በቲ ዚውሃብ መልሲ ይርከብ።

እፈትዋ እየ። ኣነ ንመን እፈቱ? (_ዋ)፣ _ንኣ (ተሳሓቢ)

በርሀ ንታፍላ ገንዘብ ኣለቂሕዎ። በርሀንመንኣለቅሐ? ንታፍላ(ተሳሓቢ)

ተሳሓቢ ብግደኡ ኣብ ክልተ ይኽፈል። ንሱ ድማ፣

ሀ) ቀጥታዊ ተሳሓቢ- እቲ ተግባር ናይ ግሲ ብቐጥታ ኣብ ልዕለኡ ዝተፈጸሞ።


ለ) ዘይቀጥታዊ ተሳሓቢ- እቲ ተግባር ናይ ግሲ ብተዘዋዋሪ ኣብ ልዕለኡ ዝተፈጸሞ።

ናብ ፖሊስ ጠሪዓትሎም = ናብ ኣቶም ጠሪዓትሎም።


ንመን ጥርዐትሉ? (_ኦም) ንኣቶም (ቀጥታዊ ተሳሓቢ)
ናብ መን ጠርዐት? ናብ ፖሊስ (ዘይቀጥታዊ)

ዋንነታዊ ጕዳይ - ዋንነታዊ መስተዋደድ ወይ ዋንነታዊ ተለቃቢ ቕጽል ምስ ብዓልቤት


ወይ ተሳሓቢ ተዛሚዱ ዚዝውተረሉ ኣገባብ እዩ።
ብሽክለታይ ወሲዱለይ
መን ወሰደ? (_ኡ) ንሱ (ብዓልቤት) እንታይ ወሰደ? ብሽክለታ (ቀጥታ ተሳሓቢ) ናይ
መን (_አይ) ናተይ (ዋንነታዊ)

መወሰኽታ፣
ነፍስወከፍ ቋንቋ ናይ ባዕሉ ሕግን ላዛን ቅሻረትን (ፍሉይ መለለይን) ስለ ዘሎዎ፡
እዚ'ውን ኣብቲ ሰዋስው ኪንጸባረቕ የድሊ። ካብዚ ቐጺሉ፡ ካብቲ ኣብ ዝውተራ ስም
ዚስማዕን ዚንበብን ግድፈት እንሆ።
ተጸውኦ ስም (ሽም ሰብ፡ ቦታ፡ ዓዲ ወዘተ…)፤

12
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ጌጋ ቅኑዕ
ዑቕበ ዕቝበ
ባራኺ በራኺ
መኮንን መኰንን
ሶቓር ሰቛር
ዙፋን ዝፋን
ቦኽረጽየን በዅረጽየን(ጽዮን)
ኣለክሳንደር(ታሪኽ)እስክንድር ዓብዪ

ጌጋ ቅኑዕ
ዓዲ ኢብራሂም ዓዲብርሂም
ዳዕሮ ጳውሎስ ዳዕሮ ቓውሎስ
ደቂ-ጴጥሮስ ደቄጥሮስ
ማይ ዱማ ማይ ድማ
ወኪዱባ ወክድባ
ጻዕዳ ክርስትያን ጻዕዳኽሽታን
እምባ ሶርያ እምባ ሶይራ
ብንያመ ዘርኣይ ሚናበዘርኣይ
ሲነማ ኣዝመራ ሲነማ ኣስመራ
መዋኛ (ፒሺና) መሓምበሲ
ማሳዋ ምጽዋዕ (ባጽዕ)
ለንደን ላንድን
ለባኖን ሊባኖስ
ሳውዝ ኣፍሪካ(ንባብ)ደቡብ ኣፍሪቃ
ኤስያ(ኤሽያ) እስያ
ፐርሽያ ፋርስ
ስዊድን ሽወደን
እንግሊሽ እንግሊዘኛ
ፈለግ ናይል ፈለግ ኒል
ብላክ-ሲ ጸሊም ባሕሪ
ፖርቹጋል ፖርቱጋል
ስፒይን(ስፔን) ስጳኛ ወዘተ. . .

13
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

እቲ ናይ ኤርትራ ሽም ዓድን ቦታን ብፍላይ በዚ ሕጂ ብቐይድ በተኽ ይለወጥ ተሓዲጉ


ዘሎ እንተ ደኣ ቐጺሉ ድማ ድሕሪ ቝሩብ ዓመታት ኣብ ክንዲ “ሚናበ ዘርኣይ’
ተባሂሉ ዚጽሓፍን ዚንገርን፡ “ብንያመ ዘርኣይ” ክንብልን ክንጽሕፍን፡ ኣብ ክንዲ “እምባ
ሶይራ” ድማ “እምባ ሶርያ” እናበልና ዘይናየቦኡ መጸውዒ ዳግም ከነጠምቖ ኽንግደድ
ከም ዝኾነ ኣየጠራጥርን። እዚ ንታሪኽን ትውፊትን ዚጐሲ ብምዃኑ ብኣጋ ኺእረም
የድሊ።

ናይ ሓባር፡ ናይ እኩብ፡ ናይ ረቂቕ ስም፤

ጌጋ ቅኑዕ

ስነ-ጥበባዊ (ቅጽል) ስነ-ጥበበኛ (ስም)


ድምጻዊ (ቅጽል) ደራፋይ(ድምጸኛ)
ኢራብ እራብ
ኢርባን እርባን
ዒላማ/ዓላማ ዕላማ
ኢንታ እንታ
ኣድናቖት ኣድንቖት
ዒስራ ዕስራ
ቂያ ቅ'ያ
ሚያ ም'ያ/ሞ'ያ
ቂድሚ(ኣብ ዘረባ) ቅድሚ ወዘተ...

፪ ተውላጠስም

ተውላጠስም፡ ንዝኾነ ይኹን ዓይነት ስም ኣብ ክንድኡ ብምትካእ፡ ንመርቍሒ


ዚዝውተር ክፍሊ ንግግር እዩ። ካብ ቅጽል ዚፍለየሉ ሓደ መለለዪ ድማ፡ ንስም
ዘይገልጽ ስለ ዝኾነ እዩ። እዚ ማለት፡ እቲ ተውላጠስም ከም መሰነይታ ናይ ስም
ዚዝውተር ኣይኮነን። እዚ ተዛምዶ’ዚ፡ ንተውላጠስም ካብ ቅጽል ኣብ ምፍላይ ስለ
ዚሕግዝ ወርትግ ኪስትብሃለሉ ይግባእ።

14
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ጕጅለ ተውላጠ ስም

ተውላጠስም ቀዳማይ ኣካል፡ ካልኣይ ኣካል፡ ሳልሳይ ኣካል ተባሂሉ ኣብ ሰለስተ ጕጅለ
ይኽፈል።

ቀዳማይ ኣካል - እቲ ዚዛረብ ዘሎ ሰብ እዩ። ኣነ፡ ንኣይ፡ ንሕና ንኣና ወዘተ... ዚብል
ተውላጠስም ወይ ተለቃቢ ተውላጠስም
ዘሎዎ ሓረግ ድማ የዘውትር።
ካልኣይ ኣካል- እቲ መዛርብቲ ዚኸውን ዘሎ ሰብ እዩ። ንስኻ፡ ንስኺ፡ ንስኹም፡ ንስኽን
ንስኻትኩም፡ ንስኻትክን፡ ኣታ፡ ኣቲ፡ ኣቱም፡ ኣትን፡
ኣቱማት ኣትናት ወዘተ... ዚብል ተውላጠስም ወይ
ድማ ተለቃቢ ተውላጠስም ዘሎዎ ሓረጋት
የዘውትር።
ሳልሳይ ኣካል- እቲ ብዛዕብኡ ዚዝረበሉ ዘሎ ሰብ እዩ። ንሱ፡ ንሳ፡ ንሶም፡ ንሰን፡
ንሳቶም፡ ንሳተን ወዘተ... ዚብል ተውላጠስማት
ወይ ተለቃቢ ተውላጠስም ዘሎዎ ሓረጋት
የዘውትር።
ብዓልቤት ተሰሓቢ

ቀዳማይ ኣካል ንጽል ኣነ፡_አ፡ ንኣይ/_ኒ ፡ ወዘተ...


ካልኣይ ኣካል ንጽል ንስኻ/ኺ፡_ካ/_ኪ ፡ ንኣኻ/ኺ፡_ካ/ኪ፡ ወዘተ...
ንስኹም/ኽን፡ _ኩም/_ክን
ንኣኹም/ኽን፡_ኩም/_ክን፡ ወዘተ...
ሳልሳይ ኣካል ንጽል ንሱ/ሳ፡_ኡ/_ኣ... ፡ ንኡ/ኣ፡ _ዮ/ያ፡ ወዘተ...
ንሶም/ሰን፡_ኦም/_አን…፡ ንኦም/ኣ፡_ዮም/የን፡
ወዘተ...
ቀዳማይ ኣካል ድርብ ንሕና፡_ና፡ ... ንኣና/_ና፡ ወዘተ...
ካልኣይ ኣካል ድርብ ንስኻትኩም/ክን፡ ንኣኻትኩም/ክን፡ ወዘተ...
ሳልሳይ ኣካል ድርብ ንሳቶም/ተን፡... ፡ ንኣቶም/ተን፡ ወዘተ...

ኣብ ትግርኛ ከምቲ ኣብ ገሊኡ ቛንቋ ዚርአ፡ ንኣካል ብዚምልከት ኣብ ሓደ ሰደቓ


ንምንትርታሩ ዚክኣል ከም ዘይኮነ እዚ ኣብ ላዕሊ ተቐሚጡ ዘሎ ዝርዝር
ብቐሊሉየብርህ።

15
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ዝርዝር ናይ ተውላጠ ስም

፩. ናይ ኣካል ተውላጠ ስም
፪. ናይ ዋንነት ተውላጠ ስም
፫. ኣመልካቲ ተውላጠ ስም
፬. ዘይውሱን ተውላጠ ስም
፭. መወክኢ ተውላጠ ስም
፮. ናይ ሕቶ ተውላጠ ስም
፯. ናይ መጠን ተውላጠ ስም
፰. ኣዛማዲ ተውላጠ ስም
፱. ተንጸብራቕን ኣዳማቕን ተውላጠ ስም
፲. ኣመቓራሕን ተመጣጣውን ተውላጠ ስም።

፩. ናይ ኣካል ተውላጠ ስም

(ሀ) ናይ ኣካል ተውላጠስም፡ ንብዓልቤት ወይ ንተሳሓቢ ኣብ ክንዲ ሽሙ ዚትክእ


መርቍሒ እዩ።
ብዓልቤት
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ኣነ ንሕና ንኣይ ንኣና
2ይ ንስኻ ንስኻትኩም ንኣኻ ንኣኻትኩም
2ይ ንስኹም ንስኻትኩም ንኣኹም ንኣኻትኩም
2ይ ንስኺ ንስኻትክን ንኣኺ ንኣኻትክን
2ይ ንስኽን ንስኻትክን ንኣኽን ንኣኻትክን
3ይ ንሱ ንሳቶም ንኡ ንኣቶም
3ይ ንሶም ንሳቶም ንኦም ንኣቶም
3ይ ንሳ ንሳተን ንኣኣ ንኣተን
3ይ ንሰን ንሳተን ንአን ንኣተን

ኣብ ተሰሓቢ እቲ ጐሊሕ ዘሎ ተውላጠስም እዩ። ተለቃቢ ተውላጠ-ስም ድማ ይብሃል።


ተለቃቢ ተውላጠስም ድሕሪ መስተዋድድ ተለቂቡ ተውላጠስማዊ ሓረግ የቕውም።
እዚ ጸኒሕና ብሰፊሑ ኽንርእዮ ኢና።

16
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ንኣብነት፤
(ኣነ) ተምሃራይ እየ። ኣነ/አ = ብዓልቤት
ንኣኻ ሂቡካ። ንኣኻ(ንንስኻ) = ተሳሓቢ
ሂቡካ(ንሱ) = ብዓል ቤት

ኣስተብህል፣- ተባዕታይን ኣንስታይን ዘጠቓለለ ጕጅለ ወይ እኩብ ህያዋን ኪድረብ ከሎ፡


ብተባዕታይ ጾታ እዩ ዚርቋሕ። ናይ ኣካል ተውላጠ ስም ኣብቲ ናይ ኩነት ግሲ (እየ)
ብተለቃቢ መልክዕ ተደሪቡ ኸም ዘሎ እውን ኣስተብህል።

(ለ) ተለቃቢ ናይ ኣካል ተውላጠስም፡ ንብዓልቤት ወይ ንተሳሓቢ ብዚውክል ኣገባብ


ብበበይኑ ኣጸናብራ ምስ ግሲ እናተዋሃደ ይዝውተር። በዚ ድማ ዓብዪ ሓረግ
ወይ'ውን ንጽል ዓረፍተነገር ኬቕውም ይኽእል።

ግሲ “ነበረ” ብመልክዕ ብዓልቤት ጥራይ ምስ ዚረብሕ፡ ከምዚ ዚስዕብ ውጽኢት


ይህብ። ተለቃቢ ናይ ኣካል ተውላጠስም ምስ ግሲ ተዋሂዱ ናይ ብዓልቤት ባህሪ
ዜንጸባርቕ ግና ተሰሓቢ ዜብሉ እወታዊ ኣገባብ ኣረባብሓ፤

ህልዊ እዋን ቀረባ እዋን

1ይ እነግር ንነግር ነጊረ ነጊርና


2ይ ትነግሩ „ ነጊርኩም „
2ይ ትነግሪ ትነግራ ነጊርኪ ነጊርክን
2ይ ትነግራ „ ነጊርክን „
3ይ ይነግር ይነግሩ ነጊሩ ነጊሮም
3ይ ይነግሩ „ ነጊሮም „
3ይ ትነግር ይነግራ ነጊራ ነጊረን
3ይ ይነግራ „ ነጊረን „

ርሑቕ ሕሉፍ ግዴታ (ትእዛዝ)

17
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ


1ይ ነገርኩ ነገርና እንገር ንንገር
2ይ ነገርኩም „ ንገሩ „
2ይ ነገርኪ ነገርክን ንገሪ ንገራ
2ይ ነገርክን „ ንገራ „
3ይ ነገረ ነገሩ ይንገር ይንገሩ
3ይ ነገሩ „ ይንገሩ „
3ይ ነገረት ነገራ ትንገር ይንገራ
3ይ ነገራ „ ይንገራ „

እቲ ኣብ ትሕቲ ግደታዊ ተዘርዚሩ ዘሎ ገሊኡ ናይ ተሪር ትእዛዝ ባህሪ ዘሎዎ ኪኸውን


ከሎ፡ ገሊኡ ናይ ምሕጽንታ፡ ልመና ወይ ግደታዊ ባህሪ ኪህልዎ ኸም ዚኽእል
ምስትብሃል የድሊ። ንኣብነት፣ ካብዚ ሃየ ቐልጢፍካ ውጻእ! (ተሪር ትእዛዝ)
ከይመስዮምስ ብኣጋ ደኣ ይበገሱ። (ምሕጽንታ) ገንዘብ ግዳ ኣለቅሓኒ። (ልመና)
እኽፈል ኣይኽፈል ኣይዝከረንን። (ግደታ ምፍጻምን ዘይምፍጻምን)

ቀዳማይ ኣካል ንጽል ተለቃቢ ናይ ኣካል ተውላጠስም (እነግር፡ ነጊረ፡ ነገርኩ፡እንገር)


ዝብዓልቤቱ፡ ናብ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ፤

ህልዊ እዋን ቀረባ ሕሉፍ


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
2ይእነግረካ እነግረኩም ነጊረካ ነጊረኩም
2ይ እነግረኩም „ ነጊረኩም „
2ይ እነግረኪ እነግረክን ነጊረኪ ነጊረክን
2ይ እነግረክን „ ነጊረክን „
3ይ እነግሮ እነግሮም ነጊረዮ ነጊረዮም
3ይ እነግሮም „ ነጊረዮም „
3ይ እነግራ እነግረን ነጊረያ ነጊረየን

18
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

3ይ እነግረን „ ነጊረየን „
ርሑቕ ሕሉፍ ግዴታ (ትእዛዝ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
2ይ ነገርኩኻ ነገርኩኹም እንገርካ እንገርኩም
2ይነገርኩኹም „ እንገርኩም „
2ይ ነገርኩኺ ነገርኩኽን እንገርኪ እንገርክን
2ይነገርኩኽን „ እንገርክን „
3ይ ነገርኩዎ ነገርኩዎም እንገሮ እንገሮም
3ይነገርኩዎም „ እንገሮም „
3ይ ነገርኩዋ ነገርኩወን እንገራ እንገረን
3ይ ነገርኩወን „ እንገረን „

እቲ ተለቃቢ ናይ ኣካል ተውላጠስም ከምቲ ቕድመኡ ዝተዘርዘረ ብቡናዊ ፊደል ከም


ዚጐልሕ እንተ ተገብረ'ኳ፡ ብኣደማምጻኡ ተመሳሳሊ ስለ ዝኾነ ንምልላዩ ኣየጸግምን።

ብጀካ'ዚ፡ "ካዕብ" ብድሕረኡ ዓዲ "ወ" ኺኽተል ከሎ፡ እቲ ፍሉይ ላዛን ቅሻረትን


ናይቲ ቛንቋ ንምዕቃብ ናብ ሳድስ ኪልወጥ ከም ዚግባእ፡ በቶም ነቲ ኣዝዩ ግኑን ዕዮ
መጽሓፍ ቅዱስ ዘሰላሰሉ ኣቦታት ተወሲኑ ተሰሪሑሉ ኸም ዝነበረ ኪዝከር ይግባእ።

እዚ ሓሳብ'ዚ፡ በቶም መጻሕፍቲ ሰዋስው ዘዳለዉ ኾነ ብኻልኦት ኣብቲ ሞያ ዚግደሱ


ኽትዕ ስለ ዘልዓለ፡ ኣብ ርእስ'ዚ ኸኣ እቲ ረባሕታ ንሕጊ እንተ ተኸተለ ብብዙሕ ሸነኹ
ጠቓሚ ምዃኑ ብምስትብሃል፡ እቲ ብኻዕብ "ኩ" ዚውድእ ረባሕታ ብድሕረኡ ዓዲ
"ወ" ዘሎዎ ተለቃቢ ተውላጠስም ምስ ዚስዕብ ብኻዕቡ ኪቕጽል ዝሓሸ ኮይኑ ተረኺቡ፡
ብኡ መሰረት ሰፊሩ ኣሎ።

ኪንበብ ከሎ ግና ንምትንባሁ ምእንቲ ኺፈኵስ፡ በቲ እቶም ኣቦታት ዝኣመምዎ እንተ


ተ'ነበ ጸገም የብሉን። ንኣብነት "ነገርኩዎ" ዝተጻሕፈ፡ " ነገርክዎ" ተባሂሉ እንተ
ተነ'በ ንኣፍ ዝፈዀሰ ይኸውን።

ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ ረባሕታ፡ እቲ ተሳሓቢ ቀጥታዊ እዩ፡ ማለት፡ እቲ ተግባር


ናይቲ ብዓልቤት ብቐጥታ ኣብ ልዕለኡ ይፍጸም። እቲ ተግባር ብተዘዋዋሪ ምስ ዚፍጸም
ግና፡ ዘይቀጥታዊ ተሳሓቢ ይብሃል። እዚ ዚስዕብ ዝርዝር ረባሕታ ነዚ የብርህ።

19
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ቀዳማይ ኣካል ንጽል ዝብዓልቤቱ (እነግር፡ ነጊረ፡ ነገርኩ፡ እንገር) ናብ ቀጥታውን


ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ፤

ህልዊ እዋን ቀረባ ሕሉፍ


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
2ይ እነግረልካ እነግረልኩም ነጊረልካ ነጊረልኩም
2ይ እነግረልኩም „ ነጊረልኩም „
2ይ እነግረልኪ እነግረልክን ነጊረልኪ ነጊረልክን
2ይ እነግረልክን „ ነጊረልክን „
3ይ እነግረሉ እነግረሎም ነጊረሉ ነጊረሎም
3ይ እነግረሎም „ ነጊረሎም „
3ይ እነግረላ እነግረለን ነጊረላ ነጊረለን
3ይ እነግረለን „ ነጊረለን „
ርሑቕ ሕሉፍ ግዴታ(ትእዛዝ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
2ይ ነገርኩልካ ነገርኩልኩም እንገረልካ እንገረልኩም
2ይ ነገርኩልኩም „ እንገረልኩም „
2ይ ነገርኩልኪ ነገርኩልክን እንገረልኪ እንገረልክን
2ይ ነገርኩልክን „ እንገረልክን „
3ይ ነገርኩሉ ነገርኩሎም እንገረሉ እንገረሎም
3ይ ነገርኩሎም „ እንገረሎም „
3ይ ነገርኩላ ነገርኩለን እንገረላ እንገረለን
3ይ ነገርኩለን „ እንገረለን „

*እቲ ብኻልኣይን ብሳልሳይን ፍሉጥ ኣካል ተዘርዚሩ ዘሎ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ኪኸውን


ከሎ፡ እቲ ዘይርአ፡ ብዝሑን ጾታኡን ዘይተፈልጠ ሳልሳይ ኣካል ግና ዘይቀጥታዊ ተሳሓቢ
እዩ። እቲ ግሲ ኣብ ማእከሉ ጐረሮኣዊ ፊደል ዘሎዎ ምስ ዚኸውን፡ እቲ ግዕዝ ኮይኑ
ዝጸንሐ መእተዊ ናይቲ ቓል፡ ኣብ ህልውን ቀረባ ሕሉፍን እዋን ናብ ሳድስ እናተለወጠ
እዩ ዚረብሕ። ንኣብነት “ጸሓፈ” ምስ ዚዝርዘር፤

20
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ህልዊ እዋን ቀረባ ሕሉፍ


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ እጽሕፍ ንጽሕፍ ጽሒፈ ጽሒፍና
2ይ ትጽሕፍ ትጽሕፉ ጽሒፍካ ጽሒፍኩም
2ይ ትጽሕፉ „ ጽሒፍኩም „
2ይ ትጽሕፊ ትጽሕፋ ጽሒፍኪ ጽሒፍክን
2ይ ትጽሕፋ „ ጽሒፍክን „
3ይ ይጽሕፍ ይጽሕፉ ጽሒፉ ጽሒፎም
3ይ ይጽሕፉ „ ጽሒፎም „
3ይ ትጽሕፍ ይጽሕፋ ጽሒፋ ጽሒፈን
3ይ ይጽሕፋ „ ጽሒፈን „
ርሑቕ ሕሉፍ ግዴታ(ትእዛዝ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ጸሓፍኩ ጸሓፍና እጽሓፍ ንጽሓፍ
2ይ ጸሓፍካ ጸሓፍኩም ጽሓፍ ጽሓፉ
2ይ ጸሓፍኩም „ ጽሓፉ „
2ይ ጸሓፍኪ ጸሓፍክን ጽሓፊ ጽሓፋ
2ይ ጸሓፍክን „ ጽሓፋ „
3ይ ጸሓፈ ጸሓፉ ይጽሓፍ ይጽሓፉ
3ይ ጸሓፉ „ ይጽሓፉ „
3ይ ጸሓፈት ጸሓፋ ትጽሓፍ ይጽሓፋ
3ይ ጸሓፋ „ ይጽሓፋ „
*ኣብ ርሑቕ ሕሉፍ ግን እቲ መጀመርታ ፈደል ግዕዝ ምዃኑ ኣስተብህል።

እቲ ኣብ መንጎ ጐረሮኣዊ ፊደል ዘሎዎን ዜብሉን ግሲ ዚግበር ኣረባብሓ፡ ኣብ ህልዊ


እዋንን ቀረባ ሕሉፍን ፍልልይ ከም ዘሎ ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ። ብጀካ’ዚ፡ ኣብ መንጎ
“ጽሓፍ” ግ‘ዴታውን፡ ኣብ መንጎ ግሳዊ ቕጽል “ጸሓፍ" (ንኣ. ጸሓፍ-ታሪኽ) ዘሎ
ልዩነት በዚ ኣብነት'ዚ ምርግጋጽ ይክኣል። እቲ ዝተረፈ ረባሕታ በቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ
ኣብነት መሰረት ከምዚ ዚስዕብ ይንትርተር።

21
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ቀዳማይ ኣካል ንጽል ተለቃቢ ናይ ኣካል ተውላጠስም (እጽሕፍ፡ ጽሒፈ፡ ጸሓፍኩ፡


እጽሓፍ) ዝብዓልቤቱ፡ ናብ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ
ኣረባብሓ፤
ህልዊ እዋን ቀረባ ሕሉፍ
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
2ይ እጽሕፈካ እጽሕፈኩም ጽሒፈካ ጽሒፈኩም
2ይ እጽሕፈኩም „ ጽሒፈኩም „
2ይ እጽሕፈኪ እጽሕፈክን ጽሒፈኪ ጽሒፈክን
2ይ እ ጽሕፈክን „ ጽሒፈክን „
3ይ እ ጽሕፎ እጽሕፎም ጽሒፈዮ ጽሒፈዮም
3ይ እ ጽሕፎም „ ጽሒፈዮም „
3ይ እ ጽሕፋ እ ጽሕፈን ጽሒፈያ ጽሒፈየን
3ይ እ ጽሕፈን „ ጽሒፈየን „
ርሑቕ ሕሉፍ ግዴታ(ትእዛዝ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
2ይ ጸሓፍኩኻ ጸሓፍኩኹም እጽሓፍካ እጽሓፍኩም
2ይ ጸሓፍኩኹም„ እጽሓፍኩም „
2ይ ጸሓፍኩኺ ጸሓፍኩኽን እጽሓፍኪእጽሓፍክን
2ይ ጸሓፍኩኽን „ እጽሓፍክን „
3ይ ጸሓፍኩዎ ጸሓፍኩዎም እጽሓፎ እጽሓፎም
3ይ ጸሓፍኩዎም „ እጽሓፎም „
3ይ ጸሓፍኩዋ ጸሓፍኩወን እጽሓፋ እጽሓፈን
3ይ ጸሓፍኩወን „ እጽሓፈን „

*እቲ ተለቃቢ ናይ ኣካል ተውላጠስም ከምቲ ቕድመኡ ዝተዘርዘረ ብሰማያዊ ኸም


ዚጐልሕ ተገይሩ ኣሎ። እቲ ቀቅድሚ ዓዲ “ወ” ዘሎ ካዕብ ብሳድስ እንተ ተደምጸ ላዛ
ኣሎዎ። ንኣብነት “ጸሓፍኩዎ” ብዚብል ሰፊሩ ዘሎ፡ “ጸሓፍክዎ” ይንበብ። ከምኡ'ውን
እቲ ንተሳሓቢ ዚውክል ዘሎ ተለቃቢ ተውላጠስም፡ ምስቲ ተለቃቢ ናይ ኣካል
ተውላጠስም ዝተወሰነ ተማሳሳልነት ከም ዘለዎ ምስትብሃል የድሊ።

22
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተዘርዘረ ረባሕታ፡ እቲ ተሳሓቢ ቀጥታዊ እዩ፡ ማለት፡ እቲ


ተግባር ናይቲ ብዓልቤት ብቐጥታ ኣብ ልዕለኡ ይፍጸም። እቲ ተግባር ብተዘዋዋሪ ምስ
ዚኸውን ግና፡ ዘይቀጥታዊ ተሳሓቢ ይብሃል። እዚ ዚስዕብ ዝርዝር ረባሕታ ነዚ የብርህ።

ቀዳማይ ኣካል ንጽል ዝብዓልቤቱ (እጽሕፍ፡ ጽሒፈ፡ ጸሓፍኩ፡ እጽሓፍ) ናብ


ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ
ኣረባብሓ፤

ህልዊ እዋን ቀረባ ሕሉፍ


ኣካልንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
2ይ እጽሕፈልካ እጽሕፈልኩምጽሒፈልካ ጽሒፈልኩም
2ይ እጽሕፈልኩም„ ጽሒፈልኩም „
2ይ እጽሕፈልኪ እጽሕፈልክን ጽሒፈልኪ ጽሒፈልክን
2ይ እጽሕፈልክን „ ጽሒፈልክን „
3ይ እጽሕፈሉ እጽሕፈሎም ጽሒፈሉ ጽሒፈሎም
3ይ እጽሕፈሎም „ ጽሒፈሎም „
3ይ እጽሕፈላ እጽሕፈለን ጽሒፈላ ጽሒፈለን
3ይ እጽሕፈለን „ ጽሒፈለን „
ርሑቕ ሕሉፍ ግዴታ(ትእዛዝ)
ኣካልንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
2ይ ጸሓፍኩልካ ጸሓፍኩልኩምእጽሓፈልካ እጽሓፈልኩም
2ይ ጸሓፍኩልኩም„ እጽሓፈልኩም„
2ይ ጸሓፍኩልኪ ጸሓፍኩልክን እጽሓፈልኪ እንገረልክን
2ይ ጸሓፍኩልክን „ እጽሓፈልክን „
3ይ ጸሓፍኩሉ ጸሓፍኩሎም እጽሓፈሉ እንገረሎም
3ይ ጸሓፍኩሎም „ እጽሓፈሎም „
3ይ ጸሓፍኩላ ጸሓፍኩለን እጽሓፈላ እንገረለን
3ይ ጸሓፍኩለን „ እጽሓፈለን „

23
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

*እቲ ብኻልኣይን ብሳልሳይን ፍሉጥ ኣካል ተዘርዚሩ ዘሎ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ኪኸውን


ከሎ፡ እቲ ዘይርአ፡ ብዝሑን ጾታኡን ዘይተፈልጠ ሳልሳይ ኣካል ግና ዘይቀጥታዊ
ተሳሓቢ እዩ።

ካልኣይ ኣካል ንጽል ዝብዓልቤቱ (ትጽሕፍ፡ ጽሒፍካ፡ ጸሓፍካ፡ ጽሓፍ) ናብ


ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ፤

ህልዊ እዋን ቀረባ ሕሉፍ


ኣካልንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ትጽሕፈለይ ትጽሕፈልና ጽሒፍካለይ ጽሒፍካልና
3ይ ትጽሕፈሉ ትጽሕፈሎም ጽሒፍካሉ ጽሒፍካሎም
3ይ ትጽሕፈሎም „ ጽሒፍካሎም „
3ይ ትጽሕፈላ ትጽሕፈለን ጽሒፍካላ ጽሒፍካለን
3ይ ትጽሕፈለን „ ጽሒፍካለን „
ርሑቕ ሕሉፍ ግደታዊ (ትእዛዛዊ)
ኣካልንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ጸሓፍካለይ ትጽሕፈልና ጽሓፈለይ ጽሓፈልና
3ይ ጸሓፍካሉ ትጽሕፈሎም ጽሓፈሉ ጽሓፈሎም
3ይ ጸሓፍካሎም „ ጽሓፈሎም „
3ይ ጸሓፍካላ ትጽሕፈለን ጽሓፈላ ጽሓፈለን
3ይ ጸሓፍካለን „ ጽሓፈለን „

*እቲ ብቐዳማይን ብሳልሳይን ፍሉጥ ኣካል ተዘርዚሩ ዘሎ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ኪኸውን


ከሎ፡ እቲ ዘይርአ፡ ብዝሑን ጾታኡን ዘይተፈልጠ ሳልሳይ ኣካል ግና ዘይቀጥታዊ ተሳሓቢ
እዩ።

ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ኣብዚ ንምዝርዛሩ ዘይተኻእለ፡ ቀዳማይ፡ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ኣካል፡


ተባዕታይ ወይ ኣንስታይ ጾታ፡ ንጽል ወይ ድርብ ዝበዓል ቤቱ ኣረባብሓ ኸም ዘሎ
ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። እዚ

ዚስዕብ ልምምድ ነዚ ዝያዳ የነጽር፣

24
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

መላመዲ
፩. ቀዳማይ ኣካል ድርብ ዝብዓልቤቱ (ንነግር፡ ነጊርና፡ ነገርና፡ ንንገር) ናብ ቀጥታዊ
ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ረባሕታ፤
፪. ቀዳማይ ኣካል ድርብ ዝብዓልቤቱ (ንነግር፡ ነጊርና፡ ነገርና፡ ንንገር) ናብ ቀጥታውን
ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውለጠስም ዝኣንፈተ እወታ ኣረባብሓ፤
፫. ካልእይ ኣካል ንጽል ተባዕታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ትነግር፡ ነጊርካ፡ ነገርካ፡ ንገር))፡ ናብ
ዝተፈላለየ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ተለቃብ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ፤
፬. ካልእይ ኣካል ንጽል ተባዕታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ትነግር፡ ነጊርካ፡ ነገርካ፡ ንገር))፡ ናብ
ዝተፈላለየ ቀጥታውን ዘይቀጣውን ተሳሓቢ ኣካል ዝኣንፈተ እወታዊ ረባሕታ፤
፭. ካልእይ ኣካል ንጽል ኣኽብሮታዊ ንተባዕታይ ጾታ ወይ ንድርብ ብሓፈሻ ዝብዓልቤቱ
(ትነግሩ፡ ነጊርኩም፡ ነገርኩም፡ ንገሩ)፡ ናብ ዝተፈላለየ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ኣካል ዝኣንፈተ
እወታዊ ረባሕታ፤
፮. ካልእይ ኣካል ንጽል ኣኽብሮታዊ ንተባዕታይ ጾታ ወይ ንድርብ ብሓፈሻ ዝብዓልቤቱ
(ትነግሩ፡ ነጊርኩም፡ ነገርኩም፡ ንገሩ)፡ ናብ ዝተፈላለየ ቀጥታዊ ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ
ኣካል ዝኣንፈተ እወታዊ ረባሕታ፤
፯. ካልእይ ኣካል ንጽል ኣንስታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ትነግሪ፡ ነጊርኪ፡ ነገርኪ ንገሪ))፡
ናብ ዝተፈላለየ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ተለቃብ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ፤
፰. ካልእይ ኣካል ንጽል ኣንስታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ትነግሪ፡ ነጊርኪ፡ ነገርኪ ንገሪ))፡
ናብ ዝተፈላለየ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ተለቃብ ተውላጠስም ዝኣንፈተ
እወታዊ ኣረባብሓ፤
፱. ካልእይ ኣካል ንንጽል ኣኽብሮታዊ ወይ ንድርብ ኣንስታይ ጾታ (ትነግራ፡ ነጊርክን፡
ነገርክን ንገራ) ዝብዓልቤቱ፡ ናብ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ዝኣንፈተ ናይ ተለቃብ ተውላጠስም
እወታዊ ኣረባብሓ፤
፲. ካልእይ ኣካል ንጽል ኣኽብሮታዊ ወይ ድርብ ኣንስታይ ጾታ (ትነግራ፡ ነጊርክን፡
ነገርክን ንገራ) ዝብዓልቤቱ፡ ናብ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ዝኣንፈተ ናይ
ተለቃብ ተውላጠስም እወታዊ ኣረባብሓ፤
፲፩. ሳልሳይ ኣካል ንጽል ተባዕታ ጾታ (ይነግር፡ ነጊሩ፡ ነገረ፡ ይንገር)ዝበዓልቤቱ፡ ናብ
ቀጥታዊ ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ፤
፲፪. ሳልሳይ ኣካል ንጽል ተባዕታ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ይነግር፡ ነጊሩ፡ ነገረ፡ ይንገር)፡ ናብ
ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ፤
፲፫. ሳልሳይ ኣካል ንጽል ኣኽብሮታዊ ወይ ድርብ ተባዕታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ይነግሩ፡
ነጊሮም፡ ነገሩ፡ ይንገሩ)፡ ናብ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ
ረባሕታ፤

25
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

፲፬. ሳልሳይ ኣካል ንጽል ኣኽብሮታዊ ወይ ድርብ ተባዕታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ይነግሩ፡


ነጊሮም፡ ነገሩ፡ ይንገሩ)፡ ናብ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም
ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ፤
፲፭. ሳልሳይ ኣካል ንጽል ኣንስታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ትነግር፡ ነጊራ፡ ነገረት፡ ትንገር)፡
ናብ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ፤
፲፮. ሳልሳይ ኣካል ንጽል ኣንስታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ትነግር፡ ነጊራ፡ ነገረት፡ ትንገር)፡
ናብ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ
ኣረባብሓ፤
፲፯.ሳልሳይ ኣካል ንጽል ኣኽብሮታዊ ወይ ድርብ ኣንስታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ይነግራ፡
ነጊረን፡ ነገራ፡ ይንገራ)፡ ናብ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ
ኣረባብሓ፤
፲፰. ሳልሳይ ኣካል ንጽል ኣኽብሮታዊ ወይ ድርብ ኣንስታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ
(ይነግራ፡ ነጊረን፡ ነገራ፡ ይንገራ)፡ ናብ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ተለቃቢ
ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ።

(ሐ) ምስ መስተዋድድ ብድሕሪት ናይ ዚጠብቕ ተለቃቢ ተውላጠስም ረባሕታ፡


ንኣብነት፡ ንኣይ፡ ብኣይ፡ ምሳይ፡ ከማይ፡ ጥቓይ፡ ናባይ፡ ካባይ፡ ንኣኻ፡ ብኣኻ፡
ከማኻ፡...ጥቓኺ፡ ናባኺ፡...ንኣኹም፡ ብኣኹም፡ ...ምሳኽን፡ ከማኽን፡...ጥቓኦም፡
ናብኦም...ካብአን፡ ንአን...ወዘተ... ከም ሓረጋዊ ተውላጠስም ተረቚሑ ኺምደብ
ይክኣል።

ተለቃቢ ተውላጠ ስም ሓረጋዊ ተውላጠ ስም


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ _ኣይ _ኣና ብኣይ ብኣና
2ይ _ኣኻ _ኣኻትኩም ጥቓኻ ጥቓኻትኩም
2ይ _ኣኹም _ኣኻትኩም ምሳኹም ምሳኻትኩም
2ይ _ኣኺ _ኣኻትክን ከማኺ ከማኻትክን
2ይ _ኣኽን _ኣኻትክን ናባኽን ናባኻትክን
3ይ _ኡ _ኣቶም ብኡ ብኣቶም
3ይ _ኦም _ኣቶም ጥቓኦም ጥቓኣቶም
3ይ _ኣ _ኣተን ንኣ ንኣተን

26
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

3ይ _አን _ኣተን ከምአን ከምኣተን

እቲ ድርብ ተለቃቢ፡ ብልምዲ ሓደው ብጌጋ በቲ ንጽል ናይ ኣኽብሮት ተለቃቢ


ተውላጠ ስም ተተኪኡ ኪዝውተር ብስፊሕ ይስማዕ እዩ።
ብጀካ'ዚ፡ ኣብ ሳልሳይ ኣካል እቲ ብልምዲ ኣብ ክንዲ፤ " ንኡ፡ ንኦም፡ ንኣ፡ ንአን፡ ብኡ፡
ብኦም፡ ብኣ፡ ብአን፡ ወዘተ. " ኾይኑ ተንተርቲሩ ዘሎ፤ " ንኣኡ/ ንዓኡ (ንእኡ/ ንዕኡ)፡
ንኣኦም/ ንዓኦም (ንእኦም/ ንዕኦም)፡ ንኣኣ/ ንዓኣ (ንእኣ/ ንዕኣ)፡ ንኣአን/ ንዓአን (ንእአን/
ንዕአን)፡ ወዘተ." ኪብሃል ይስማዕ እዩ።
እዚ ብመጐት ቅኑዕ ስለ ዘይኮነ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ኺእረም
ይግባእ።

2. ናይ ዋንነት ተውላጠስም እዚ ኽፋል’ዚ፡ “ናይ” ምስ ዚብል መስተዋድድ ብድሕሪት


ተለቂቡ
ዋንነት ዚመልክት ተውላጠስማዊ ሓረግ ዜቕውም እዩ።
ናይ + ተለቃቢ ዋንነታዊ ተውላጠስም
= ናይ ዋንነት ሓረጋዊ ተውላጠስም
(ሀ) ዝርዝር ናይ ተለቃቢ ዋንነታዊ ተውላጠስም፤
ኣካል ንጽል ድርብ
1ይ _አይ (ናየይ/ናተይ) _ና (ናይና/ናትና)
2ይ _ካ (ናይካ/ናትካ) _ኩም (ናይኩም/ናትኩም)
2ይ _ኩም (ናይኩም/ናትኩም) _ኩም (ናይኩም/ናትኩም)
2ይ _ኪ (ናይኪ/ናትኪ) _ክን (ናይክን/ናትክን)
2ይ _ክን (ናይክን/ናትክን) _ክን (ናይክን/ናትክን)
3ይ _ኡ (ናዩ/ናቱ) _ኦም (ናዮም/ናቶም)
3ይ _ኦም (ናዮም/ናቶም) _ኦም (ናዮም/ናቶም)
3ይ _ኣ (ናያ/ናታ) _አን (ናየን/ናተን)
3ይ _አን (ናይና/ናተን) _አን (ናየን/ናተን)
ኣካል ንጽል ድርብ ኣብነት
1ይ ናተይ ናትና ናተይ እዩ።
2ይ ናትካ ናታትኩም ናታትኩም ድዩ?

27
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

2ይ ናትኩም ናታትኩም ኣይናትኩምን!


2ይ ናትኪ ናታትክን ናትኪ ግበሪ!
2ይ ናትክን ናታትክን ካበይ ዝመጸ ናትክን!
3ይ ናቱ ናታቶም ወዮ ናቱስ ንሓማቱ።
3ይ ናቶም ናታቶም ናታቶምዶ ኸይኮነ?
3ይ ናታ ናታተን ወዮ ናታስ ንሓማታ።
3ይ ናተን ናታተን ወዮ ናተንስ ንሓማተን።

*ምስ ስም ዘይኮነስ ምስ መስተዋድድ ከም ዝተዘውተረ ኣስተብህል። ምስ ስም ግና፡


እቲ ተለቃቢ ኣመልካቲ ቕጽል እዩ ዜቕውም።
*ብመጐት፡ እቲ ረባሕታ፡ ናየይ፡ ናይካ፡ ናይኩም፡ ናይኪ፡ ናይክን፡ ናዩ፡ ናያ፡ ናዮም፡
ናየን፡ ናይና፡ ናያትኩም፡ ናያትክን፡ ናያቶም፡ ናያተን ኪኸውን ምተገብአ። ብልምዲ
ግዳ፡ እቲ ናይ “የ” ቤት ብናይ “ተ” ቤት ተተኪኡ እዩ ዚዝውተር ዘሎ።

3. ኣመልካቲ ተውላጠስም
(ሀ) እዚ ኽፋል እዚ፡ ንዅሉ ዓይነት ስም፡ ጾታ፡ ብዝሒ፡ ቅርበት፡ ርሕቀት፡ ዝምድና
ብዚሕብር ኣገባብ ኣብ ክንድ ስም ዚኣቱ ቓል ወይ ሓረግ እዩ።
ንጽል ድርብ
ቀረባ ርሑቕ ቀረባ ርሑቕ
እዚ እቲ እዚኣቶም እቲኣቶም
እዚኣ እቲኣ እዚኣተን እቲኣተን
እዚኦም እቲኦም እዚኣቶም እቲኣቶም
እዚአን እቲአን እዚኣተን እቲኣተን

ንኣብነት፣

እዚኣይፈተኽዎን። እዚኣቶምሸቃሎ እዮም። እቲናተይ ኣይኮነን።እቲኣተንዋሪ


ይብሃላ። እዚኣሓኪምእያ። እዚኣተንከትፈልጠንዶ? እዚኦምፈታዊናእዮም።
እቲኣቶምዶኸይኮኑ? እቲኦምመምህር እዮም። ወዘተ...

28
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

*ኣብ መንጎ ናይ ኣኽብሮትን ናይ ድርብን ኣመልካቲ ተውላጠስም ፍልልይ ከም ዘሎ


ኣስተብህል።
(ለ) ኣመልካቲ ተውላጠስም ምስ መስተዋድድን ምስ መስተጻምርን (ብ፡ ን፡ ከም፡ ምስ፡
ወዘተ.) ብምውህሃድ ተወሳኺ ሓረጋዊ ኣመልካቲ ተውላጠስም (በዚ፡ ነቲ፡ ከምዚ፡ ምስቲ፡
ወዘተ...) የቕውም።
በዚይሕሸካ ናብቲ ኺድ
በዚኣቶም'ባ ተዋረድና! ነቲ መን ይኽእሎ?
ከምዚእያ እትደሊ። ምስትስኣየዋጽኣንን'ዩ።

*በዚኣቶም፡ ነቲ፡ ከምዚ፡ ምስቲ ብዘይ መሰነይታ ስም ስለ ዝተዘውተረ እዩ ሓረጋዊ


ኣመልካቲ ተውላጠስም ኮይኑ ዘሎ፡ ብዝተረፈ ሓረጋዊ ኣመልካቲ ቕጽል ምተባህለ።
(ሐ) እንሀ + ተለቃቢ ተውላጠስም = ኣመልካቲ ሓረጋዊ
ኣካል ንጽል ድርብ
1ይ እ'ንሀኹ (እ'ነኹ) እ'ንሀና (እ'ነና)
2ይ እ'ንሀኻ (እ'ነኻ) እ'ንሀኹም (እ'ነኹም)
2ይ እ'ንሀኹም (እ'ነኹም) እ'ንሀኹም (እ'ነኹም)
2ይ እ'ንሀኺ (እ'ነኺ) እ'ንሀኽን (እ'ነኽን)
2ይ እ'ንሀኽን (እ'ነኽን) እ'ንሀኽን (እ'ነኽን)
3ይ እ'ንሆ (እ'ኖ) እ'ንሀዉ (እ'ነዉ)
3ይ እ'ንሀዉ (እ'ነዉ) እ'ንሀዉ (እ'ነዉ)
3ይ እ'ንሃ (እ'ና) እ'ንሀዋ (እ'ነዋ)
3ይ እ'ንሀዋ (እ'ነዋ) እ'ንሀዋ (እ'ነዋ)
ኣብ ገሊኡ ላህጃ ግና እቲ ድርብ፡ እንሀኻትኩም፡ እንሀኻትክን፡ እንሀዉታ፡ እንሀዋታ፡
እናተባህለ ኺረብሕ ይስማዕ እዩ። እዚ እንተ ተዘውተረ፡ ኣብቲ ቛንቋ፡ ነቲ ንጽረት ናይ
ብዝሒ ስለ ዚሕግዝ ኪድገፍ ይግባእ።ብጀካ'ዚ፡ ኣብ ሳልሳይ ኣካል፡ ዝያዳ ንምንጻር ወይ
ንምድማቕ፤ "እንሆለ፡ እንሃትለ፡ እንሀዉለ፡ እንሀዋለ፡" ኺብሃል ይስማዕን ይዝውተርን።

(መ) ቀጺሉ፡ ናብ ካልኣይ ኣካል ንኽልቲኡ ጾታ፡ ብንጽል ወይ ብድርብ ዝኣንፈተ


ኺረብሕ ከሎ ከምዚ ዚስዕብ ይመስል። ኣብ ኣኽብሮትን ድርብን ፍልልይ ከም ዘየሎ
ምስትብሃል የድሊ። ናብ ካልኣይ ኣካል፡ ንጽል፡ ተባዕታይ ጾታ ዝኣንፈተ፤

29
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣካል ንጽል ድርብ


1ይ እ'ንሀኹልካ (እ'ነኹልካ) እ'ንሀናልካ(እ'ነናልካ)
3ይ እ'ንሆልካ (እ'ኖልካ) እ'ንሀዉልካ (እ'ነዉልካ)
3ይ እ'ንሀዉልካ (እ'ነዉልካ) እ'ንሀዉልካ (እ'ነዉልካ)
3ይ እ'ንሃትልካ (እ'ናትልካ) እ'ንሀዋልካ (እ'ነዋልካ)
3ይ እ'ንሀዋልካ (እ'ነዋልካ) እ'ንሀዋልካ (እ'ኖዋልካ)
*እቲ ኣብ ውሽጢ ሓጹር ዘሎ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ዝርርብ (ድያሎግ) ይዝውተር።
ናብ ካልኣይ ኣካል፡ ንጽል፡ ኣንስታይ ጾታ ዝኣንፈተ፤
ኣካል ንጽል ድርብ
1ይ እ'ንሀኹልኪ (እ'ነኹልኪ) እ'ንሀናልኪ (እ'ነናልኪ)
3ይ እ'ንሆልኪ (እ'ኖልኪ) እ'ንሀዉልኪ (እ'ነዉልኪ)
3ይ እ'ንሀዉልኪ (እ'ነዉልኪ) እ'ንሀዉልኪ (እ'ነዉልኪ)
3ይ እ'ንሃትልኪ (እ'ናትልኪ) እ'ንሀዋልኪ (እ'ነዋልኪ)
3ይ እ'ንሀዋልኪ (እ'ነዋልኪ) እ'ንሀዋልኪ (እ'ነዋልኪ)

ናብ ካልኣይ ኣካል፡ ድርብ፡ ተባዕታይ ጾታ ዝኣንፈተ፤

ኣካል ንጽል ድርብ


1ይ እ'ንሀኹልኩም (እ'ነኹልኩም) እ'ንሀናልኩም (እ'ነናልኩም)
3ይ እ'ንሆልኩም (እ'ኖልኩም) እ'ንሀዉልኩም (እ'ነዉልኩም)
3ይ እ'ንሀዉልኩም (እ'ነዉልኩም) እ'ንሀዉልኩም (እ'ነዉልኩም)
3ይ እ'ንሃትልኩም (እ'ናትልኩም) እ'ንሀዋልኩም (እ'ነዋልኩም)
3ይ እ'ንሀዋልኩም (እ'ነዋልኩም) እ'ንሀዋልኩም (እ'ነዋልኩም)

ናብ ካልኣይ ኣካል፡ ድርብ፡ ኣንስታይ ጾታ ዝኣንፈተ፤

ኣካል ንጽል ድርብ


1ይ እ'ንሀኹልክን (እ'ነኹልክን) እ'ንሀናልክን (እ'ነናልክን)
3ይ እ'ንሆልክን (እ'ኖልክን) እ'ንሀዉልክን (እ'ነዉልክን)
3ይ እ'ንሀዉልክን (እ'ነዉልክን) እ'ንሀዉልክን (እ'ነዉልክን)

30
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

3ይ እ'ንሃትልክን (እ'ናትልክን) እ'ንሀዋልክን (እ'ነዋልክን)


3ይ እ'ንሀዋልክን (እ'ነዋልክን) እ'ንሀዋልክን (እ'ነዋልክን)
*ብተለምዶ እቲ "እንሀ" ብ "እንሆ" ተተኪኡ፡ "እንሆኹ፡ እንሆኻ፡ እ'ንሆኺ፡ እ'ንሀ፡
እንሆና፡ ወዘተ.." እናተባህለ ኪዝረብን ኪጽሓፍን ይስማዕ እዩ። እዚ ነገር'ዚ፡ ሓውሲ
ናይ ላህጃ ባህሪ ስለ ዘሎዎ፡ ብጽኑዕ ሕጊ፡ ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ኣብ ስነ-
ጽሑፍን እንተ ውዒሉ ጥራይ እዩ ኪዕረን ኪመዓራረን ዚኽእል።

(ረ) ናብ ሳልሳይ ኣካል ጥራይ ዝኣንፈተ፤ ሳልሳይ ኣካል ኣመልካቲ + ለ

ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ


እንሆለ እንሀዉለ እንሃትለ እንሀዋለ
እንሆለ ይመጽእ። እንሀዉለ ይኸዱ።
ኣብቲ እንሃትለ። እንሀዋለ ኣርክበን።

፬.ዘይውሱን ተውላጠ ስም

ንሓደ ውሱንን ንጹርን ዘይኮነ ስም ይትክእ። ንኣብነት፤

ኵሉ ዝኾነ ገለ ገለ ገለ
ሓደ ዋላ ሓደ ካልእ ኵሉምሉ
ሒደት ቍሩብ ብዙሕ ሓደሓደ
ተወሳኺ ክልተኦም ነፍስወከፍ መብዛሕትኡ ወዘተ...
ኵሉ ዝተበላሸወ እዩ ዝኾነ ኣምጽኣለይ
ገሊኡ ደሓን ይመስል ሓደ'ኳ ኣይተቐልቀለን
ሓደ ፈኪሩሉ'ሎ ካልእ ክህበካ'የ።
ክልተኦምይምጽኡ መብዛሕትኡተበላሽዩ
*እዚ ተውላጠስም'ዚ፡ ብድሕሪኡ ስም ምስ ዚኽተል ቅጽል ይኸውን። ብጀካ'ዚ ገለ
ኻብዚ ከም ናይ መጠን ተውላጠ-ስም ኪዝውተር ይክኣል። ኣብ ናይ መጠን ተውላጠ
ስም ርአ።
፭. መወክኢ ተውላጠስም

31
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ናይ ሰብ፡ እንስሳ ወይ ካልእ ነገር ምስ ዚርሳዕ፡ ንመንነት ወይ እንታይነት ተኪኡ ዚኣቱ


ቓል እዩ። ንኣብነት፤ እከለ፡ እከሊት፡ ክስቶ፡ መን ሽሙ፡ ክስታይ፡ መን ኢኻ እትብሎ፡
ወዘተ...
ኣየለለኽዎን!....ክስቶ'ዩ ኽብል'ኳ ኣይክእልን። መን ሽሙ መጺኡዶ
ነይሩ...እ...ብርሃነ ኣይመጽአን?
፮. ናይ ሕቶ ተውላጠስም
ኣብ ክንዲ ስም ተተኪኡ ሕቶ ዚቐርበሉ ኣገባብ እዩ። እቲ ሕቶ፣ መን፡ መነመን፡
እ'ንመን፡ ብዓል መን፡ ናይ መን፡ እንታይ፡ ኣየናይ፡ ዚብል ኪኸውን ይኽእል። ብዓልቤት፡
ተሳሓቢ፡ ዋንነት፡ ምርጫ ንምጥላል ከኣ ይቐርብ።

ሕቶ ምላሽ
መን ሂቡካ? ንሱ /ባዕሉ (ብዓል ቤት)
ንመን ሃበቶ? ንኣተን (ተሰሓቢ)
ኣየናይ ይበልጽ? እዚ /እቲ (ብዓል ቤት)
ነየናይ መሪጽካ ነዚ /ነቲ (ተሰሓቢ)
ናይ መን እዩ? ናትና (ዋንነት)
እንታይ ተሰብረ? ክስታይ (ብዓል ቤት)
እንታይ በላዕካ? ክስታይ (ተሰሓቢ)

ገለ ኻብዚ ናይ ሕቶ ተውላጠ ስም ምስ መስተዋድድ (ንኣ. ንመን) ወይ ተለቃቢ


ተውላጠስም (ንኣ. ኣየናይ) ትጸንቢሩ ናይ ሕቶ ሓረጋዊ ተውላጠስም ዜቕውም ምዃኑ
ኪስትብሃለሉ ይግባእ።

፯. ናይ መጠን ተውላጠስም
ንስም፡ ብፍቕዲ ወይ ብተርታ ዚትክእ ቃል ወይ ሓረግ እዩ። ፍቕዳውን ተርታውን
ተባሂሉ ድማ ኣብ ክልተ ይኽፈል።

(ሀ) ፍቕዳዊ - ንብምሉኡ እቲ ብኣሃዝ፡ ብቝጽሪ ወይ ብፍቕዲ ዚትክእ ስም የጠቓልል።


ንኣብነት፤ ሓደ፡ ክልተ፡ ዓሰርተ፡ ሓምሽተ፡ ምእቲ፡ ሰለስተ ምልዮን፡ ደርዘን፡ ሲሶ፡ ፍርቂ፡
ወዘተ...

32
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ንኣብነት፣ ንሰልስቲኡእደልዮ እየ። ክልተ ሽሕኣምጽኣለይ። ሸውዓቲአንኣሕዋት እየን።


እዚ ኽፋል'ዚ፡ ምስቲ ንኡ ዚመስል ቅጽል ኬደናግር ስለ ዚኽእል ነዚ ንምፍላይ፡ ነቲ
ብኣሃዝ ዝተረቝሐ ነገር ብስም ብምትካእ ምርግጋጽ የድሊ።
ሸውዕተአን ኣሕዋት እየን =
እገለን እገለን ኣሕዋት እየን።
ሸውዓተአን= እገለንእገለን= ተውላጠስም
ለ) ተርታዊ- ንስም ቀዳማይ፡ ቀዳመይቲ፡ ካልኣይ፡ ካልኣይቲ፡ መበል ዓሰርተው ሓደ፡
መበል... ወዘተ... እናበለ ብደረጃ እናተክአ ይዝውተር።
ንኣብነት፤ ቀዳሞት ብየማን ተቐመጡ። ድሕር’ቲራብዓይእዩቦታኻ።
መበልዓሰርተውሓደገናኣይመጸን። *ተውላጠስም ምዃኑ ብስም ብምትካእ ኪረጋገጽ
ይክኣል።
ቀዳሞትብየማን ተቐመጡ =
እከለን እከለን ብየማን ተቐመጡ።
ቀዳሞት=እከለን እከለን=ተውላጠ ስም
ድሕሪ እቲ ራብዓይ እዩ ቦታኻ። ድሕሪ እቲ ተምሃራይ እዩ ቦታኻ።
ራብዓይ=ተምሃራይ=ተውላጠስም
(ሐ) ገምጋማዊ - ንስም ብኣሃዝ ወይ ብፍቕዲ ዘይኮነ፡ ብግምታዊ ስፍሩ፡ ብዝሑ፡
ክብደቱ፡ ስፍሓቱ፡ ቅጹ፡ ወዘተ... እናተክአ ይዝውተር። ንኣብነት፤ ብዙሕ፡ ሒደት፡
መዓት፡ ቍሩብ፡ ኣኽልታርፍ፡ ሓያሎይ፡ ፈኲስ፡ ነዊሕ፡ ዝያዳ፡ ተወሳኺ፡ ዕንጭቝሊት፡
ሕፍንቲ፡ መዓት፡ እልቢ ዜብሉ፡ ወዘተ...
ብዙሕ እዩ ረኺቡ፡ ግና ኣይዓገበን።
ዕንጭቝሊት ኣላትኒ፡ ክህበካ?።
ካብቲ ዝበሎ፡ ቍሩብ እዩ ተረዲኡኒ።
ብዛዕባ ገንዘብስኪ የብሉን፣ ኣኽልታርፍ ኣሎዎ።
ኣብዚ'ውን እቲ ተውላጠስም ብስም ብምትካእ ኪረጋገጽ ይክኣል።

፰. ኣዛማዲ ተውላጠስም

ንኽልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሓረግ ወይ ዓረፍተነገር ዜዛምድ፡ ብቕድሚት ተለቂቡ


ዚዝውተር ቃል ወይ ፊደል እዩ። ብእወታን ብኣሉታን መልክዕ ድማ ይዝውተር።

(ሀ) እወታ ኣዛማዲ ተውላጠ ስም (ዝ___)

33
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ዝ + እወታ ግሲ
ኣደይ መጽሓፍ ዓደገትለይ። ኣንቢበ ኽውድኦ ኣይከኣልኩን።
እቲ መጽሓፍ፡ ኣደይ ዝዓደገትለይ፡ ኣንቢበ ኽውድኦ ኣይከኣልኩን።
ዝ + ዓደገትለይ = ዝዓደገትለይ
እዚ ወዲ ተምሃራይ እዩ። ወለዱ ኣብ ገጠር ይነብሩ። እዚ ወዲ፡ ወለዱ ኣብ ገጠር
ዚነብሩ ተምሃራይ እዩ።
ዝ + ይነብሩ = ዚነብሩ

(ለ) ኣሉታ ኣዛማዲ ተውላጠስም

( ዝ + ኣይ___ = ዘይ___)
"ኣይ" ዚብል ጥብቆ-ድሕሪት ንኣዛማዲ ተውላጠ- ስም ኣሉታ ቅርጺ ንኺሕዝ ዚዝውተር
እዩ። ክልተኡ ተጸንቢሩ ድማ "ዘይ" ("ዛይ“) ዝውጽኢቱ ኣሉታ የቕውም። ግሲ "ኣንበበ"
ብኣሉታ፡ ብሳልሳይ ኣካል፡ ንጽል፡ ሕሉፍን ህልውን እዋን ምስ ዚትንተን፤

ርሑቕ ህልዊ
ዘይ+ኣንበበት=ዘየንበበት ዘይ+ተንብብ=ዘይተንብብ ዝ + ኣሉታ ቅድመ-ጥባቕ +

ግሲ = ዝ + ኣይ + ግሲ

ንኣብነት፤ ነገር ዘይጸገበስ ጓል ዋጣ ይሕጸ።


ኣብዚ ዓረፍተ ነገር’ዚ ወይ ምስላ፡ ክልተ ምሉእ ሓሳብ ኣሎ። (ሀ) ነገር ኣይጸገበን።
(ለ) ጓል ዋጣ ተሓጽዩ። ዝ + ኣይ + ጸገበ = ዘይ + ጸገበ (ዛይ + ጸገበ) = ዘይጸገበ።
*እቲ ኣብ ውሽጢ ሓጹር ዘሎ ኣዘራርባ (ዛይጸገበ)፡ ኣብ ገለ ላህጃ ናይ ኤርትራ ይስማዕ
እዩ፤ ብመጐት'ውን ንሱ እዩ እቲ ቕኑዕ ኣበሃህላ። ግንከ፡ እቲ ልምዳዊ ኣዘራርባ ኣመና
ስለ ዝሳዕረረን ዝዓብለለን፤ ኣብ ክንድኡ "ዘይጸገበ" ኪብሃል ይስማዕ፤ ይምረጽ'ውን።
እወታን ኣሉታን ኣዛማዲ ተውላጠስም ብዅሉ ኣካል ኪረብሕ ይኽእል።
ሕጅ'ውን "ጸገበ" ዚብል ግሲ ምስ ዚውሰድ እዚ ዚስዕብ ዝርዝር ይርከብ፤
እወታ ኣሉታ
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ

34
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

1ይ ዝጸገብኩ ዝጸገብና ዘይጸገብኩ ዘይጸገብና


2ይ ዝጸገብካ ዝጸገብኩም ዘይጸገብካ ዘይጸገብኩም
2ይ ዝጸገብኩም ዝጸገብኩም ዘይጸገብኩም ዘይጸገብኩም
2ይ ዝጸገብኪ ዝጸገብክን ዘይጸገብኪ ዘይጸገብክን
2ይ ዝጸገብክን ዝጸገብክን ዘይጸገብክን ዘይጸገብክን
3ይ ዝጸገበ ዝጸገቡ ዘይጸገበ ዘይጸገቡ
3ይ ዝጸገቡ ዝጸገቡ ዘይጸገቡ ዘይጸገቡ
3ይ ዝጸገበት ዝጸገባ ዘይጸገበት ዘይጸገባ
3ይ ዝጸገባ ዝጸገባ ዘይጸገባ ዘይጸገባ

፱. ተንጸብራቕን ኣዳማቕን ተውላጠ ስም

(ሀ) ኣዳማቒ - ነቲ ብዓልቤት ወይ ንተሳሓቢ ብድሕረኡ ብምኽታል ንመንነቱ ወይ


ንእንታይነቱ ዜጕልሕ ቃል ወይ ሓረግ እዩ።

ኣነ ባዕለይ ነጊረካ (ናይ ብዓል ቤት ኣዳማቒ)


ንኣ ንባዕላ ኣይነሓፈታን (ናይ ተሳሓቢ ኣዳማቒ)
ንሳቶም ባዕላቶም እዮም ገይሮምዎ።
ንሶም ንባዕሎም ኣየምለጡን።
*እቲ ዓረፍተ ነገር ብዘይ እቲ “ኣዳማቒ” እንተ ተዘውተረ፡ ነቲ ኣጋናኒ ባህሪኡ
ምንካይ እንተ ዘይኮይኑ ዜስዕቦ ለውጢ የለን።

(ለ) ተንጸብራቒ - እቲ ብግሲ ዚግለጽ ተግባር ናይ ብዓልቤት ተገልቢጡ ኣብ ልዕለኡ


ምፍጻሙ ዚሕብር ተደራቢ ሓረጋዊ ተውላጠስም እዩ። እቲ ተንጸብራቒ ሓረጋዊ
ተውላጠስም ካብ “ባዕሊ፡ ርእሲ፡ ነብሲ፡ ገዛእ-ርእሲ፡ ገዛእ-ነብሲ፡” ዚብል ቃላት ዝነቐለ
ኪኸውን ይኽእል።

ኣነ ንባዕለይ ወጺዐ።
ንሳቶም ንገዛእ ርእሶም ይውቀሱ።
ንሳ ንነብሳ ኾይናስ ንኻልእ’ኳ ምኾነት።
ንሕና ንባዕልና ረቢሕና።

35
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

*ብዘይ እቲ ተንጸብራቒ፡ ትርጉም ናይቲ ዓረፍተ-ነገር ከም ዚዛባዕምስትብሃል የድሊ።


እቲ ተንጸብራቒ ተውላጠስም ብዘይ እቲ ናይ ኣካል ተውላጠ ስም ኪዝውተር ይክኣል
እዩ።
ብጀካ’ዚ፡ እቲ ናይ ኣካል ተውላጠስም ብተንጸብራቒ “ባዕሊ” እናተተክአ ዚዝውተረሉ
ኵነት’ውን ኣሎ። ንኣብነት፤ ባዕለይ ንባዕለይ ወጺዐ። ባዕላቶም ንገዛእ ርእሶም
ይውቀሱ። ንባዕላ ንነብሳ ኣይትበል!

፲. ኣመቓራሕን ተመጣጣውን ተውላጠስም

(ሀ) “ነፍስ-ወከፍ” ኣመቓራሒ ተውላጠስም፤

ነፍስ-ወከፍቦታኡ ይሓዝ። ንነፍስ-ወከፍናዚምልከት እዩ። ምእቲ ቕርሺ ብነፍስ-


ወከፍኣዋጺኦም። ኣብ ውሽጢ ነፍስ-ወከፍዝነበረ ስምዒት እዩ። ናብ ነፍስ-ወከፍ
ዝኣንፈተ እዩ።
*መስተዋድድ ኣገዳሲ ግደ ኣሎዎ። ኣንፈት፡ ቦታ፡ ምንጪ፡ ወዘተ ስለ ዚሕብር፡
መምስ እቲ ዚምልከቶ ኣንፈትን ቦታን ብትኽክል ኪዝውተር ይግባእ።

(ለ) “ንሓድሕድ_፡ ንስንሳ_፡ ነንባዕል_” ተመጣጣዊ ሓረጋዊ ተውላጠስም፤

ነንሓድሕድኩም ተሓጋገዙ።
ንሓድሕዶም ኣይሰማምዑን እዮም።
ንስንሳትና ዘይንዛተ!
ንስንሳቶም ይጫረቑ ነበሩ።
ነንባዕልና ንሕለ።

ግሲ ንባዕሉ’ውን ብተጋብሮን ብተገባብሮን ወይ ብኣጋብሮን ኣገባብሮን ኪረብሕ ከሎ


ተመጣጣውነት ዝመንፈሱ ተውላጠስም ሓቚፉ ይርከብ።

ተጋብሮ ኣጋብሮ ተገባብሮ ኣገባብሮ ተጻልአ ኣጻልአ ተሓጓጐሰ ኣተሓጓጐሰ ተማኸረ


ኣማኸረ ተሓጋገዘ ኣተሓጋገዘ

እቲ ተጋብሮን ተገባብሮን ናይ ብዓልቤት ባህሪ፡ እቲ ኣጋብሮን ኣገባብሮን ድማ ናይ


ተሳሓቢ ባህሪ የንጸባርቕ። ብጀካ’ዚ፡ ተጋብሮን ኣጋብሮን ብዘይጐረሮኣዊ ፊደል

36
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ንዚጅምር ግሲ ጥራይ ኪዝውተር ከሎ፡ ተገባብሮን ኣገባብሮን ግና ብጐረሮኣዊ ፊደል


ንዚጅምር ግሲ ብኣድማዒ የሳሲ።

፲፩. መጸውዒ ተውላጠስም ንኻልኣይ ኣካል፡ ኣብ ክንዲ ሽሙ ብምትካእ ንምጽዋዑ


ዚዝውተር ቃል እዩ። ኣግርሞት፡ ስንባደ፡ ካልእ ናይ ስምዒት ባህርን ዘሰንዮ ብምዃኑ
ድማ ብትእምርቲ ኣንክሮ ይድምደም።
ንጽል ድርብ
ኣታ (ኣንታ) ኣቱማት (ኣንቱማት)
ኣቱም (ኣንቱም) ኣቱማት (ኣንቱማት)
ኣቲ (ኣንቲ) ኣትናት (ኣንትናት)

ኣትን (ኣንትን) ኣትናት (ኣንትናት)

*እቲ ኣብ ትሕቲ ድርብ ተዘርዚሩ ዘሎ ሳሕቲ ዚስማዕ ኮይኑ፡ ኣብ ክንድኡ እቲ ንጽል


ናይ ኣኽብሮት ብተለምዶ ይዝውተር።

(ሀ) ንመጸውዒ ወይ ንምርቋሕ ኪዝውተር ከሎ፤

ኣታ፡ እንታይ ወሪዱካ ኸምዚ ትገብር!


ኣቱም፡ ኣለኹምዶ?
ኣቱማት፡ ኣለኹምዶ?
ኣትናት፡ ኣለኽንዶ?
ኣታ ወዲ፡ ኣይትታረኸኒ!
ኣቱም ኣቦይ፡ በጃኹም ሓንሳዕ ስምዑኒ።
*እተን ክልተ ናይ መጠረሽታ ተውላጠስም (ኣታ ወዲ፡ ኣቱም እቦይ) ናይ ንኡስ ሓረግ
ባህሪ ዘሎዎ እዩ።

መወሰኽታ

ኣብ ዝውተራ ተውላጠስም'ውን፡ ከምቲ ኣብ ስም ብውሑድ ኣብነት ዝተጠቕሰ፡


ንሰዋስው ኣብ ግምት ዘየእቱ፡ ካብ ልምዲ ዝተበገሰ ግድፈት ኣሎ። እዚ፡ ብፍላይ ንስነ

37
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ጽሑፍ ትግርኛ፡ ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ዚሃስዮ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ ኪእረም ይግባእ። ሒደት


ኣብነት እንሆ፣

ጌጋ

ንስኹም ትበዝሑ።

ቅኑዕ

ንስኻትኩም ትበዝሑ።

ዘይቅኑዕ

እዚኦም ተምሃሮ እዮም።


ቅድም ንኦም ሕተትዎም።

ቅኑዕ

እዚኣቶም ተምሃሮ እዮም።


ቅድም ንኣቶም ሕተትዎም።

ጌጋ
ንሶም ደቂ ዓዲ ኣይኮኑን።

ቅኑዕ

ንሳቶምደቂዓዲኣይኮኑን።

ጌጋ- እቲኦም ሰብ ኣስመራ ድዮም?


ቅኑዕ- እቲኣቶም ሰብ ኣስመራ ድዮም?
ዘይንጹር- እዚኣ ጓል መን ትብሃል?
ንጹር- እዚኣ፡ ጓል መን ትብሃል? (ኣመልካቲ ተውላጠ ስም)

38
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ንጹር- እዚኣ መን ትብሃል? (ኣመልካቲ ተውላጠ ስም)


ንጹር- እዛ ጓል፡ መን ትብሃል? (ኣመልካቲ ቕጽል)
ንጹር- እዛ ጓል'ዚኣ፡ መን ትብሃል? (ኣመልካቲ ቕጽል)

፫ ቅጽል

፫ ቅጽል ቅጽል ንስም ዚገልጽ ክፍሊ ንግግር እዩ፤ ከምዚ ዚስዕብ ድማ ይዝርዘር።

፩. ኣመልካቲ ቕጽል ፯. ናይ ኣንፈት ቅጽል


፪. ኣመቓራሒ ቕጽል ፰. ኣዛማዲ ሓረጋዊ ቕጽል
፫. ናይ መጠን ቅጽል ፱. ኣንክሮኣዊ ቕጽል
፬. ናይ ሕቶ ቕጽል ፲. ስማዊ ቕጽል
፭. ናይ ዋንነት ቅጽል ፲፩. ግሳዊ ቕጽል
፮. ናይ ዓይነት ቅጽል

፩. ኣመልካቲ ቕጽል

ኣመልካቲ ቕጽል፡ ቅርበት፡ ርሕቀት፡ ጾታ፡ ብዝሒ እናሓበረ፡ ምስ ስም ዚዝውተር ናይ


ሳልሳይ ኣካል መርቍሒ እዩ።

(ሀ) ንቐረባን ንርሑቕን ዚሕብር፤

ንጽል ድርብ
ተባዕታይ ኣንስታይ ተባዕታይ ኣንስታይ
እዚ እዛ እዞም እዘን
እዞም እዘን እዞም „
እቲ እታ እቶም እተን
እቶም እተን እቶም „
እዚ ሰብኣይ እዘን ሰበይቲ እዘን ኣዋልድ
እቲ ሰደቓ እዞም ኣብዑር እቶም ዓዲ
እቶም ኣቦ እተን ኣዕዋፍ *እቲ ሕብርታት

39
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

*እዚ ሰነዳት *እቲ ኣዝርእቲ *እዚ ገዛውቲ


*እዚህዝብ’ዚ *እቲ መሳዅቲ *እቲ ግራሁ ወዘተ...

*ንጽል ኣመልካቲ ቕጽል ምስ ድርብ ስም ዝተዘውተረሉ ምኽንያት ጸኒሑ ኺግለጽ


እዩ።

(ለ)ንጽል ኣመልካቲ ተውላጠስም ምስ ተለቃቢ ተውላጠስም ተጸንቢሩ ኣመልካቲ


ተውላጠስም ናይ ኣኽብሮትን ናይ ብዙሕን ይህብ። እዚ + ተለቃቢ ተውላጠስም =
ኣመልካቲ ተውላጠስም

ንጽል ድርብ
እዚ + _ኦም = እዚኦም እዚ + ኣቶም = እዚኣቶም
እዚ + _አን = እዚአን እዚ + ኣተን = እዚኣተን
እቲ + ኦም = እቲኦም እቲ + ኣቶም = እቲኣቶም
እቲ + አን = እቲአን እቲ + ኣተን = እቲኣተን

እዚ፡ ኣብ ኣመልካቲ ቕጽል ከም ተደራቢ ኾይኑ ኸም ዚዝውተር ኣብ


(ረ) ኽንርእዮ ኢና።

(ሐ) ኣብቲ ቦታ ንዘየሎ፡ ኣቐዲሙ ግና ዝተፈልጠ ሰብ ወይ ነገር ንምጥቃስ፡


ንጽል ድርብ
ተባዕታይ ኣንስታይ ተባዕታይ ኣንስታይ
ወዮ ወያ ወዮም ወየን
ወዮም ወየን ወዮም „
እኒ በዓል
ወዮ ሰብኣይ ወያ ሰበይቲ ወዮ ጕዳይ ወዮም ኣቦ
ወየን ሰበይቲ ወያ ላሕሚ ወዮም ሰባት ወየን ኣንስቲ
ወየን ገንዘብ እኒኣብርሀ በዓል~ እኒበዓል~
ወዘተ...
*ኣብ ኣመልካቲ ቕጽል፡ ኣብ መንጎ ናይ ኣኽብሮትን ናይ ድርብን ኣረባብሓ ፍልልይ
የልቦን። እቲ ዚድረብ እቲ ስም እዩ።

40
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

(መ) ኣመልካቲ ቕጽል ምስ መስተዋድድን መስተጻምርን (ከም'ኒ፡ ብ፡ ን፡ ካብ፡ ናብ፡ምስ፡


ወዘተ.) ተደሚሩ ተወሳኺ ተመሳሳሊ ሓረጋዊ ቕጽል (ከም'ኒ፤ በዚ፡ ነቲ፡ ካብዚ፡ ናብቲ፡
ምስዚ፡ ወዘተ.) የቕውም።

በዚ ገዛ ኣቢልካ ሕለፍ።
ነቲ ቘልዓ ኽትብል ተገዲዓ።
ካብዚ መገዲ ሓንሳእ ተኣሊና ዘይነዕርፍ?
ናብቲ ውሳነ'ቲ ኺበጽሑ ተገዲዶም።
*በዚ፡ ነቲ፡ ካብዚ፡ ናብቲ፡ ምስ ስም ስለ ዝተዘውተረ እዩ ኣመልካቲ ሓረጋዊ ቕጽል
ኮይኑ ዘሎ፡ ብዝተረፈ ግና ኣመልካቲ ሓረጋዊ ተውላጠስም ምተባህለ።

(ረ) ንሓደ ኣቐዲሙ ዝተፈልጠ፡ ዝተረቝሐ፡ ወይ ዳግም ዝተኸስተ ነገር ንምሕባር፡


ንምንጻር ወይ ትዅረት ንምሃብ ምስ ዚድለ፡ እቲ ኣመልካቲ ቕጽል ብድሕሪ እቲ ስም
ይድገም። ስለዚ ድማ ድርብ ኣመልካቲ ቕጽል ይብሃል።

እዚ ሰብኣይ'ዚ ሕያዋይ እዩ።


እዚ እትርእዮ ዘለኻ ሰብኣይ ሕያዋይ እዩ።
እዚ ዝተጠቕሰ ሰብኣይ ሕያዋይ እዩ።
ደቀምሓረ ምጭውቲ ኸተማ እያ።
እዛ ኸተማ'ዚኣ ኣብ ጥቓ ኣስመራ ትርከብ።
እዛ ኸተማ'ዚኣ= እዛዝተጠቕሰት ከተማ
ብንጽል ኣመልካቲ እንተ ዚጽሓፍ፡ ትርጉሙ ቝሩብ ምለወጠ ወይ'ውን ላዛ መጥፍአ፤
ከምዚ ድማ ምኾነ፤
እዚ ሰብኣይ ሕያዋይ እዩ።
ደቀምሓረ ምጭውቲ ኸተማ እያ።
እዛ ኸተማ ኣብ ጥቓ ኣስመራ ትርከብ።
እቲ ፍልልይ፡ ኣብዚ ኻልኣይ ኣብነት፡ እቲ ዚልዓል ዘሎ ኣርእስቲ ኣቐዲሙ ዘይተፈልጠ
ወይ ዘይተላዕለ ምዃኑ ኪእምት ከሎ፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን እቲ ብዛዕባ ደቀምሓረ ዚገልጽ
ዘሎ ዓረፍተነገራት ብግቡእ ኣይተዛመደን። ንደቀምሓረ ብዜስምዕ ብድርብ ኣመልካቲ
ቕጽል ኣይተሰነየን። እዚ ድርብ ኣመልካቲ ቕጽል'ዚ፡ ብብዙሕ መልክዕ ዚኽሰት፡ ኣብ
ኣጠቓቕማኡ ጥንቃቐ ዚሓትት ነገር እዩ።
ተወሳኺ ኣብነት፣

41
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣብ ሓንቲ ዓዲ፡ ርስቱ ዝተባህለ መንእሰይ ሓኪም ኣሎ። እዚ ሓኪም’ዚ፡ በቶም ደቂ


ዓዲ ኣዝዩ ፍቱው እዩ። ኣብታ ዓዲ፡ ሓንቲ ቤት ትምህርትን ሓንቲ ማእከል ክንክን
ጥዕናን ንህዝቢ ኣገልግሎት ይህባ። እዘን ትካላት እዚኣተን፡ መንግስቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን
ዝሃነጸን እየን። ኣብታ ቤት ትምህርቲ ዓሰርተ መምህራን ኣለዉ። እዞም መምህራን
እዚኣቶም ነቲ ጽንኩር ናብራ ገጠር እናተጻወሩ ንደቅ ዓዶም ብርሃን ፍልጠት ዚምጥዉ
ዘለዉ እዮም።
*እቲ ድርብ ኣመልካቲ ደድሕር’ቲ ዝተጠቕሰ ስም ኪመጽእ ከሎ ዝያዳ ኸም ዜድምዕ
ምስትብሃል የድሊ።
ገለ ኻብቲ ድርብ ኣመልካቲ ቕጽል ብዝውቱር ዚጕሰየሉ ኣብነት ሒደት እንሆ፤
ጌጋ - መስተ ኣብዚሑ፤ በዚ ምኽንያት ድማ ሞይቱ።
ጌጋ - „ „ ብመኽንያት'ዚ ድማ ሞይቱ።
ቅኑዕ - „ „ በዚ ምኽንያት'ዚ(በዚዝተጠቕሰምኽንያት) ድማ ሞይቱ።
ጌጋ - ክፈሉ ተባሂልና፤ በዚ መሰረት ድማ ኸፊልና።
ጌጋ - „ „ ብመሰረት'ዚ ድማ ኸፊልና።
ቅኑዕ - „ „ በዚ መሰረት'ዚ (በዚዝተነግረናመሰረት) ድማ ኸፊልና።
ጌጋ - በዚ ሰብ እምበር ተዋሪደ!
ቅኑዕ - በዚ ሰብ'ዚ (በዚዝተጠቕሰሰብ) እምበር ተዋሪደ!
፪. ኣመቓራሒ ቕጽል፡
ኣመቓራሒ ቕጽል ምስ ኣመቓራሒ ተውላጠስም ተማሳሳሊ ኽነሱ፡ እቲ ቐዳማይ ንስም
ኪገልጽ ከሎ እቲ ዳሕራይ ግና ንስም ተኪኡ ዚኣቱ እዩ።

(ሀ)

ኵለን ሃገራት ቅዋም ኣሎወን።


ሓሓደ ሕብስቲ ሃበትና።
ነፍስ ወከፍ ሰብ ተሳቲፉ እዩ።

(ለ)

ኣራዊት ዘቦኡ ፋይዳ ኣሎዎ (ኵሉ ኣራዊት)


ተምሃራይ ዘበለ ይምጻእ (ኵሉ ተምሃራይ)
ሰብ ዝኾነ ገሪምዎ (ኵሉ ሰብ)

42
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

(ሐ)

ገዛ ገዛ እናኣተወ... (ኣብ ኵሉ ገዛ)


ዓዲ ዓድ እናዞረ.. (ኣብ ኵሉ ዓዲ)
ሰኑይ ሰኑይ... (ኣብ ነፍስወከፍ ሰኑይ...)

(መ)

ዓመት መጸ...(ኣብ ነፍስ ወከፍ ዓመት...)


ወርሒ መጸ... (ኣብ ነፍስ ወከፍ ወርሒ...)
ሰንበት መጸ... (ኣብ ነፍስ ወከፍ ሰንበት...)

(ረ)

ንመስተዋድድ መፈለምታ ፊደሉ ብግዕዝ ብምድጋም ተለቃቢ ቕጽል ምስ ዘሎዎ ስም


ብምጽንባር፡ ናይ ኣመቃራሒ ባህሪ የልብሶ። ንኣብነት፤
ነንርእስና ንኽኣል። አኣብ ዘለኻዮኹን!
በብሸነኽኩም ድለዩ። መምስ ብጾትክን ኩና።
ነናብ ዓዶም ከዱ። ከካብ ሰፈረን ተቐልቀላ
ከከም ዓቕምና ነዋጽእ። ለልዕለኡ እለዮ።

(ሰ)

ንቐዳማይ ፊደል ናይ ስም ብምድራብ ኣመቓራሕነት ዜንጸባርቕ ተለቃቢ ቕጽል።

ገገዘኹም ኪዱ።
ገጉዳይና ኣሎና።
በብጽሒቶም ረኺቦም።
ኣብ ዘዘለኹምዎ ጽንሑ።
ከክእለቶም ኣበርከቱ።
ምስ መመሳርሕትኻ ተፋለጥ።
*እቲ ዚድገም መጀመርታ ፊደል ናብ ግዕዝ ከም ዚልወጥ
ምስትብሃል የድሊ።

43
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

፫. ናይ መጠን ቅጽል፡

ንስም ብቝጽሪ፡ ብተርታ፡ ብዓቐን፡ ዚገልጽ እዩ። እዚ መጠን’ዚ፡ ኣብ ክንዲ ስም ምስ


ዚዝውተር ግና ተውላጠስም ይኸውን።
(ሀ) ኣሃዛዊ - ንዅሉ ብኣሃዝ ወይ ብቝጽሪ ዚግለጽ የጠቓልል። ንኣብነት፤

ሽድሽተምእቲዓመት *ክልተኺሎ
ሓደሽሓዊትግራም ዓሰርተደራሁ
ንዓሰርተዘመን ሰለስተዅንታል
ሓምሽተርብዒት ወዘተ...

*ግኡዝ ወይ ረቂቕ ስም ብኣሃዝ ምስ ዚስነ እንተ ዘይተደረበ ይምረጽ። ሚዛን ወይ


ስፍሪ ኣይድረብን እዩ። ንኣብነት፤“ክልተ ኺሎታት ድንሽ” ኣይብሃልን።

(ለ) ተርታዊ - ንስም ብተርታ ወይ ብኣርከን ዚገልጽ ቅጽል እዩ።

ቀዳማይስጕምቲ መበል ሓምሳ ዓመት


ዓስራይትእዛዝ ታሕተዋይደረጃ
ላዕለዋይቤት-ፍርዲ ማእከላይፍልጠት

(ሐ) ገምጋማዊ - ንስም ብሓፈሻዊ ግምት ናይ ስፍሪ፡ መጠን፡ ክብደት፡ ስፍሓት፡ ቅጺ፡
ወዘተ... ይገልጽ ንኣብነት፤

ብዙሕኣይኮነን ነዊሕእዩ ሒደትቀለም


ፈኲስዝናም ርሒብክፍሊ ጸቢብጽርግያ
ሕፍንቲማይ ርሑቕዓዲ ጐደሎእምነት
ከቢድገበን ገበታረሃጽ ዝያዳጻዕሪ
ዳርጋኽልተኽሻ ኣስታት ኣርብዓ ዓመት
እልቢዜብሉሃብቲ ወዘተ...

*እቲ ጕሉሕ ዝፊደላቱ ድርብ-ቃል ቅጽል እዩ።

44
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

፬. ናይ ሕቶ ቕጽል ወይ ሓረጋዊ ቕጽል

(ሀ)

ምስ ስም ዚዝውተር ናይ ሕቶ ቓል ወይ ሓረግ እዩ። ብዘይ ስም ምስ ዚኣቱ፡ ናይ


ሕቶ ተውላጠስም ይኸውን።

እንታይሕብሪትደሊ ኣየናይቦታትመርጽ?
እንታዋይወዲድኣሉ? ኣየነይቲጓል’ያ?
እንታወይቲነግራምደኣላ? ክንደይግዜይወስድ?
ካበየናይስፍራተበገሰ? በየንሸነኽከደ?
በየናይወገን? ናበየነይቲዓዲ?
መኣስ መዓልቲ? ኣበየናይ ሃገር
መን ደፋር ደኣሉ’ዚ?

(ለ)

እቲ ጾታ ዚፈሊ ከምኒ፡ እንታዋይ፡ እንታወይቲ፡ ኣየናይ፡ ኣየነይቲ፡ በየናይ፡ በየነይቲ፡


ወዘተ… ኪኸውን ከሎ፡ እንታይ፡ መኣስ፡ በየን፡ ካበይ፡ ወዘተ… ግና ዘይፈሊ እዩ።
ብጀካ’ዚ፡ እቲ ጾታ ዚፈሊ ድርብ ቅርጽ’ውን ኣሎዎ።

ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ


እንታዋይ እንታዎት ኣየነይቲ ኣየኖት
እንታወይቲ እንታዎት ኣየናይ ኣየኖት
ናበየናይ ካበየኖት በየነይቲ በየኖት ወዘተ…
*እቲ ንጽል ተባዕታይን ኣንስታይን፡ ጾታ ኸይፈለየ እዩ ዚድረብ።ንኣብነት፣
እዞም ሰብኡት እንታዎት እዮም?
እንታዎት እየን እዘን ኣንስቲ?

፭. ናይ ዋንነት ቅጽል - ምስ ስም ብድሕሪት ተውሲኹ ዋንነት ዚገልጽ ተለቃቢ


ቕጽል እዩ።

45
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ዝርዝር ናይ ተለቃቢ ዋንነታዊ ቕጽል፤


ኣካል ንጽል ድርብ
1ይ _አይ _ና
2ይ _ካ (ኻ) _ኩም (ኹም)
2ይ _ኩም (ኹም) _ኩም (ኹም)
2ይ _ኪ (ኺ) _ክን (ኽን)
2ይ _ክን (ኽን) _ክን (ኽን)
3ይ _ኡ _ኦም
3ይ _ኦም _ኦም
3ይ _ኣ _አን
3ይ _አን _አን
(ሀ) ምሉእ ዝርዝር ናይ ተለቃቢ ቕጽል ዘሎዎ ብዘይጐረሮኣዊ ሳድስ ዚውድእ ስም
(ንኣ. ጥራዝ)፡
ስም + ተለቃቢ ዋንነታዊ ቕጽል
ጥራዝ + አይ = ጥራዘይ = ናተይ ጥራዝ ጥራዛት + አይ = ጥራዛተይ = ናተይ
ጥራዛት
ምሉእ ዝርዝር ናይ ተለቃቢ ቕጽል ዘሎዎ ብሳድስ ዘይጐሮራዊ ዚውድኣ ስም (ንኣ.
ጥራዝ)፡
ምስ ንጽል ስም ምስ ድርብ ስም
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ጥራዘይ ጥራዝና ጥራዛተይ ጥራዛትና
2ይ ጥራዝካ ጥራዝኩም ጥራዛትካ ጥራዛትኩም
2ይ ጥራዝኩም „ ጥራዛትኩም „
2ይ ጥራዝኪ ጥራዝክን ጥራዛትኪ ጥራዛትክን
2ይ ጥራዝክን „ ጥራዛትክን „
3ይ ጥራዙ ጥራዞም ጥራዛቱ ጥራዛቶም
3ይ ጥራዞም „ ጥራዛቶም „
3ይ ጥራዛ ጥራዘን ጥራዛታ ጥራዛተን
3ይ ጥራዘን „ ጥራዛተን „

46
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

(ለ) ምሉእ ዝርዝር ናይ ተለቃቢ ቕጽል ዘሎዎ ብጐረሮኣዊ ሳልስ ዚውድእ ስም (ንኣ.
ብርዒ)፡
ስም + ተለቃቢ ዋንነታዊ ቕጽል
ብርዒ + አይ = ብርዕ + አይ = ብርዐይ = ናተይ ብርዒ ብርዕታት + አይ =
ብርዕታተይ = ናተይ ብርዕታት
ምስ ንጽል ስም ምስ ድርብ ስም
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ብርዐይ ብርዕና ብርዕታተይ ብርዕታትና
2ይ ብርዕኻ ብርዕኹም ብርዕታትካ ብርዕታትኩም
2ይ ብርዕኹም „ ብርዕታትኩም „
2ይ ብርዕኺ ብርዕኽን ብርዕታትኪ ብርዕታትክን
2ይ ብርዕኽን „ ብርዕታትክን „
3ይ ብርዑ ብርዖም ብርዕታቱ ብርዕታቶም
3ይ ብርዖም „ ብርዕታቶም „
3ይ ብርዓ ብርዐን ብርዕታታ ብርዕታተን
3ይ ብርዐን „ ብርዕታተን „
*ብርዒ ብሳልስ ፊደል እዩ ዚውድእ፡ እቲ ተለቃቢ ቕጽል ኪውሰኸሉ ኸሎ ግና ናብ
ሳድስ ይቕየር። እቲ ብ ዓዲ “ከ” ዚጅምር ተለቃቢ ቕጽል፡ ብቕድሚኡ ስም (ብርዒ)
ምስ ተወሰኸሉ፡ “ዒ” ሳልስ ብምዃና፡ ንርእሳ ናብ ሳድስ ብምልዋጥ ን “ከ” ግና ናብ
“ኸ” ትልውጦ። ምስ ድርብ ስም ኪኸውን ከሎ ግና እቲ መዛዘሚ ፊደል (ብርዕታት)
"ት" ሳድስ ስለ ዝኾነ እቲ ተለቃቢ ናብ "ኸ" ኣይልወጥን። እዚ ሓደ ግርም ኣብነት
ናይ ዝምድና ፊደላት ኣብ ኣጸሓሕፋ ትግርኛ እዩ።

፮. ናይ ዓይነት ቅጽል፡ ንዝተፈላለየ መልክዕ፡ ወጅሂ፡ ላህይ(ላሂ)፡ ሕብሪ፡ መንነት፡


እንታይነት፡

ጭጋረት፡ ወዘተ… ናይ ስም ዚገልጽ ቃል እዩ።


(ሀ) ትርኢት ሓባሪ - ንስም ዓይነቱ ንምፍላይ ብትርኢቱ እናረቝሐ ይገልጽ።

47
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ቅርጥውቅርጺ ብሩህዓይኒ ጽቡቕእንጌራ


ውቁብስፍራ ጸላምበዓቲ ዳዕቦኣእዳው
ሓልቃምሰውነት ኵሕለይቲጓል ሸገመልክዕ
ግናይመልክዕ ምጩውሕጻን ጸዋግገጽ
ፍሽሑውወጅሂ ዝሕቱልኣቀባብላ ህልምዝበለቝኖ
ደመትወይዘሮ ለምለምመሬት ወዘተ...

(ለ) ቅርጺ ገላጺ - ንስም ዓይነቱ ንምፍላይ ብቕርጹ ወይ ብመሸከሉ እናረቝሐ ይገልጽ።

ሓንኳል እግሪ ደልዳላ ኰተቴ


ደጭዳጭ ሰብነት ከናድ ክሳድ
ምልምል መንእሰይ ጐርባጥ መገዲ
ዕባራ ጤል ቄናን መስመር
ሓለንጋይ ጐንበለ ዘንዶ ጐርዞ
በሊሕ ኲናት ብትኽታኽ ሓሳብ
ማሕጋጽ ገጽ ሰለኽለኻ መገዲ ወዘተ…

(ሐ) ባህሪ ገላጺ - ንሓፈሻዊ ጠባይ፡ ባህሪ፡ ቅሻረት ናይ ስም ዚገልጽ እዩ።

በላሕጓል ብሉጽነቢት ለዋህኣደ


ሕያዋይወላዲ ርጉምወዲ ሕንዛምተመን
ሰንካምገንዘብ ርሱንክትዕ ቍጡዕኣራዊት
ዘይብቑዕደረጃ ለባምሰበይቲ ብላሽመደብ
ፍሹልውጥን ጨካንጸላኢ መስተውዓሊፈረስ
እዝውቲላሕሚ ሓላልእንስሳ ተንኰለኛምኽሪ
ጉዳምወረ ጐራሕቈልዓ ወዘተ. . .

(መ) መቐረትን ሽታን ገላጺ - ንሓፈሻዊ መቐረት፡ ጣዕሚ ወይ ሽታ ናይ ስም


ዚገልጽ እዩ።
ጥዑም ጸብሒ መሪርመስተ ጐምዳድከኒና
ዓርዓር ስዋ ቀርዓንበርበረ ልስሉስቢራ

48
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሰርሳሪቐመም ዳህናውሓርጭ መንጋንጥጥቖ


መጺጽርግኦ ሓድሽኣየር ምቁርዕላል
መጭቋርፍረ ጽዩእዕያግ ዓከምግቢ
ለዛዝሰላጣ ዒደርዘረባ ወዘተ. . .

(ረ) ብቕዓት ወይ ስልጠት ገላጺ - ንብቕዓት ወይ ስልጠት ናይ ስም ዚገልጽ እዩ።

ፈጣንፈረስ ዝሕቱልዕዮ ህርኩትሓረስታይ


ንፉዕተማሃራይ ጽፉፍዕማም ሕማቕሰብ
ቱርቱራጐበዝ ድንግዛዝእያ ደንጓዪትጓል
ወሓለስራሕ ስሉጥመገዲ ቋሕማማትእዮም
ኰርዒዳኢኺ ቅልጡፍፍታሕ ህጹጽረዲአት
ጽዑቕክንክን ወጅሃላይኣተሓሕዛወዘተ. . .

*(ረ) ምስ (ሀ) ቃላት ከም ዚሻመዉ ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ።

(ሰ) ዕድመ ሓባሪ - ንስም ዕምሩ ወይ ዕድመኡ ዚሕብር ቅጽል እዩ።

ኣረጊትሰብ ጐበዝ መንእስይ


ንእሽቶሕጻን ሽንቲ ዘጻዕዶ እዩ
ሓዳስመርዓት ኣዛውንቲሰብኡት
ናይ ወርሒ ናጽላ ጐርዞጓል
እኹልሰብኣይ ሽማግለሰብኣይ
*ምራቑ ዝወሓጠ ሰብ *ማያ ዝሰተየት ወይዘሮ
ወዘተ...
*ናይ ኣዛማዲ ሓረጋዊ ቕጽል ባህሪ ኸም ዘለዎ ኣስተብህል።

(ሸ) ሕብርን ማእነምን ገላጺ - ንሕብሪ ወይ ንዚርምሰስ ዝባን ዚገልጽ ቅጽል እዩ።

ጻዕዳበለቕ ጸሊምጨርቂ ቀያሕመሃረብ


ጨላይደበና ከደራይ ሰብ ሰማያዊትእያ

49
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሓርፋፍዓለባ ፋሕሻውገጽ ልሙጽባይታ


ስሙር ር’በ ራዕዛው ኣደጎ ልሑምሓርጭ
ጕራጕራዑፍ ድሙቕሰማይ ልስሉስጸምሪ
ገዋድሓምሊ ነቓዕ መንደቕ ሻሕካር ቈርበት
ተጓር ከውሒ ስጡምማእለማ ጸጓርሰብነት
ወዘተ...

(ቀ) ማተርያል (ግዛዕ) ሓባሪ - ሓደ ነገር ካብ ምንታይ ከም ዝተሰርሐ ዚገልጽ ቅጽል


ወይ ሓረጋዊ ቕጽል እዩ።

ዓራት ሓጺን ሓጺን ዝስርሓቱ ዓራት


ዕትሮ ፕላስቲክ ፕላስቲክ ዝስ’ርሓቱ ዕትሮ
ብርጭቆ ጥርሙስ ጥርሙስ ዝስ’ርሓቱ ብርጭቆ
መሶብ ወርቂ ወርቂ ዝስርሓቱ መሶብ
ወዘተ...
*ኣብቲ ቐዳማይ ተርታ እቲ ስማዊ ቕጽል ድሕሪ እቲ ስም፡ ኣብቲ ኻልኣይ ድማ እቲ
(ኣዛማዲ) ሓረጋዊ ቕጽል ቅድሚ ስም ከም ዚመጽእ ኣስተብህል።

(በ) መበቈል ሓባሪ - ንመንነት ናይ ሓደ ሰብ ወይ ነገር ዚገልጽ ብቕድሚ ስም ዚልቀብ


ቕጽል ወይ ድማ ብድሕሪኡ ዚስዕብ ስማዊቕጽል እዩ።

ኤርትራዊት ጋንታ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ


ብሊነይቲ ጐርዞ ሰብ ምብራቕ
ዓረበታይ ነጋዳይ ደ'ቅ ባጽዕ
ቺናዊ ባህሊ ኣጓብዝ ከረን
ሩስያዊ ዛንታ ኣዋልድ ዓፈር
ፋሽሽታዊ ግፍዒ ሳዕስዒት ኩናማ
ውሽጣዊ ሕማም ብዕራይ ባርካ
ስጳኛዊት ወይዘሮ ማይ ዒላ ወዘተ...
*እቲ ኣብ ቀዳማይ ተርታ መእተዊ ቓል ቅጽል ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብ ካልኣይ ተርታ
ብድሕሪት ዚስዕብ ቃል ከም ቅጽል ዝተዘውተረ ስም እዩ።

50
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

(ተ) መዓላ ሓባሪ - ናይ ሓደ ነገር ጥቕሚ ዚገልጽ ቅጽል እዩ።

ካሮሳ መዛወሪ ማኪና ጽዕነት ህያብልደት


መጋዝ ዕንጨይቲ ሳጹን ክዳን መርከብነዳዲ
ፋብሪካቢራ ዘይቲምግቢ ሜዳዅዕሶ
*ባይታተኒስ ቤትምግቢ ቤትግምጃ
ክፍሊሕሳብ ዒላማይ ዕዳጋኣሕምልቲ
ምርመራገበን ባንካደም ጕጅለልምዓት
ማሕበርብርኪ *ተኒስባይታ ተኒስሰደቓ ወዘተ...
*እቲ ቕጽል ብድሕሪ እቲ ዚግለጽ ስም እዩ ዚስዕብ። ኣብ ድርብ ቅርጹ እቲ ስም
ጥራይ ከም ዚበዝሕ ምዝካር የድሊ (ንኣ. ማኻይን ጽዕነት)። ብጀካዚ፡ባይታ ተኒስእቲ
ሜዳ መጻወቲ፡ተኒስባይታድማ እታ ዅዕሶ ምዃና ኣስተብህል።

፯. ናይ ኣንፈት ቅጽል፡

መኣዝን፡ ሸነኽ፡ ወገን፡ መዳይ እናሓበረ፡ ንስም፡ ዚገልጽ ቃል ወይ ሓረግ እዩ


(ሀ)
ሰሜናዊ ሸነኽ ላዕላይ ደርቢ(ህንጻ)
ደቡባዊ ዋልታ ታሕታይ ምንጋጋ
ምብራቓዊ ገማግም የማናይ ኢድ
ምዕራባዊ ቘላ ጸጋማይ ጐኒ
*እቲ ቕጽል ብጸጋም ሸነኹ ኾይኑ ነቲ ስም ከም ዚገልጽ ምስትብሃል የድሊ።

እዚ ኣብ (ሀ) ተዘርዚሩ ዘሎ ብግልብጥሽ ዚዝውተረሉ ኣገባብ እውን ኣሎ። ግናኸ ካልእ


ትርጉም እዩ ዚህብ። ነዚ ዚስዕብ ንመልከት፣

(ለ) ገዛ ላዕላይ ኮኾብ ሰሜን


መገዲ ጸጋም ኢድ የማን
ገዛ ማዕዶ ዞባ ማእከል
*ኣብ (ሀ) ቅጽል ቅድሚ ስም እዩ ዚመጽእ። ኣብ (ለ) እቲ ቕጽል ድሕሪ ስም ምስ
ሰዓበ ግና እቲ ትርጉም’ውን ምስኡ ይልወጥ። እቲ ፍልልይ፤ ገዛ ላዕላይ = ኣብ ሓደ
ዓዲ ዚርከብ ገዛውቲ ወይ እንዳታት ቦታኡ ይፈሊ። ላዕላይ ገዛ = ላዕላይ ሸነኽ ናይ

51
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሓደ ገዛ ይሕብር። የማናይ ኢድ = 1. ብየማን ዚርከብ ኢድ። 2. ቀንዲ ሓጋዚ። ኢድ


የማን = ብወገን የማን ዚርከብ፤ የማናይ ሸነኽ።
እዚ ኣብ ትሕቲ (ለ) ተዘርዚሩ ዘሎ ኣቃዋውማ ቓል’ዚ፡ ውሁድ-ቃል ተባሂሉ’ውን
ይጽዋዕ እዩ።

፰. ኣዛማዲ ሓረጋዊ ቕጽል

ኣዛማዲ ተውላጠስም ዘሰነዮ ስም ወይ ግሲ ኾይኑ፡ ንኻልእ ስም ይገልጽ።


(ሀ) ጽቡቕ ዝጠባዩ ሰብ ምኡዝ ዝሽታኡ ዕምባባ
ሕማቕ ዝኣመሉ ወዲ ዜግነብንብ ዝትርኢቱ ሬሳ
(ለ) ዝሓመመ እንስሳ ግዜ ዘሕለፈ ዜና
ዚኣክል ፍልጠት ዜሰልኪ ዕማም
*እቲ ኣዛማዲ “ዝ” ንቐዳማይ ካብ ሳልሳይ ኣካል፡ ንሕሉፍ ካብ ህልዊ እዋን ብዚፈሊ
ኣገባብ እዩ ዚኣቱ። ኣዛማዲ ሓረጋዊ ቕጽል ብዘይ ስም ምስ ዚዝውተር፡ ኣዛማዲ ሓረጋዊ
ተውላጠስም ይኸውን።

፱. ኣንክሮኣዊ ቕጽል

ንስም ብመልክዕ ኣንክሮ ዚገልጽ ቃል እዩ።


ኣብየትቍንጅና! ኣበይ ዘሎ ናግራም’ዩ!
ኣካ’ቲመልክዑ! እንታይ ዘልዎ መዓት ወረደና!
ወዳጀሓላዪ! ወሸንጋዕሲ ወሸንኵትዅቶ!
እምበርሰንካም! ኣየሕያውነት!
*እዚ ቕጽል'ዚ ናይ ኣንክሮ ቓል እዩ፡ ነቲ ብድሕረኡ ዚስዕብ ስም ድማ ይገልጽ።
ናእዳ፡ ወቐሳ፡ ተሳልቖ፡ ባጫ፡ ወዘተ... ምዃኑ ድማ ብቓና ናይቲ ኣዘራርባ ይፍለ።
፲. ስማዊ ቕጽል
ንኻልእ ስም ንምግላጽ ዚዝውተር፡ ዓይነት፡ መዓላ፡ ዋንነት፡ ኵነት፡ ቦታ፡ መሰየሚ፡
ወዘተ… ዚሕብር ድርብ-ቃል ዜቕውም ስም ኪኸውን ይኽእል።

ሰፈር-ደራሁ ሰደቓተምሃራይ ሕማምሳንቡእ


ገዛ-ማዕዶ ለይቲሓራሳት በትሪዓዃይ
ኢድየማን ዘመንኣካሒዳ ባንድዘርኣይደረስ

52
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ባርላጌቶ ሲነማኣስመራ ወዘተ. . .


*እቲ ብወይናይ ፊደል ዝተጻሕፈ፡ ስማዊ ቕጽል ይብሃል፡ ነቲ ብቕድመኡ ዝመጽአ
ኻልእ ስም እናገለጸ ድማ ክልቲኡ ንኡስ ሓረግ ወይ ድርብ-ቃል የቕውም። እዚ
ድርብ-ቃል ወይ ሓረግ ከኣ ብሓደ ስም ኪትካእ ይክኣል።ስማዊ ቕጽል ምስ ናይ ዓይነት
ቅጽል ተመሳሳልነት ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ሰደቓ-ተምሃራይ፡ ሰፈር-ደራሁ
ናይ መዓላ ሓባሪ ቅጽል ትርጉም ኪውሃቦ ይክኣል።
ብኣምሆ ሰፈር ደራሁ ሰሪሐ = ~ ጋብያ ሰሪሐ ሰፈር- ደራሁ = ጋብያ = ስም

፲፩. ግሳዊ ቕጽልን ስምን

ካብ ግሲ ዝመንጨወ፡ ንስም ኣብ ምግላጽ ዚዝውተር ቃል ግሳዊ ቕጽል ኪብሃል ከሎ፡


እቲ ንበይኑ ዚዝውተር ግና ካብ ግሲ ዝመንጨወ ስም እዩ።

ግሲ ግሳዊ ቕጽል ግሳዊ ስም


ወሓዘ ወሓዚ/ወሓዛይ ውሕጅ
ፈሰሰ ፈሳሲ/ፈሳሳይ ፈሳሲ
ሰ'ስዐ ስ'ሱዕ/ሰ'ሳዓይ ስስዐ/ስስዕቲ
ዓረቐ ዓራቒ/ዓራቓይ ዕርቂ
ቀተለ ቀታሊ/ቀታላይ ቅትለት
ለምዐ ልሙዕ/ለማዓይ ልምዓት
ረሰነ ርሱን/ረሳናይ ረስኒ
መርሐ መራሒ/መራሓይ ምርሒት
በልዐ በላዕ/በላዓይ ብላዕ
*እቲ ብሕብሪ ጐሊሑ ዘሎ ግሳዊ ቕጽል እዩ። እቲ ብሸነኽ ጸጋም ዘሎ ብሳልስ ዚውድእ
ካብ ንባህሪ ብዝያዳ ንዅነት ናይቲ ስም ይምልከት። እቲ ብሸነኽ የማን ዘሎ ግሳዊ
ቕጽል (ብራብዕን ብሳድስን ዚውድእ) ንባህሪ፡ ንኣመል፡ ንጠባይ ወይ ንኽእለትን ሞያን
ናይቲ ብ "ስም" ዝተረቝሐ ሰብ ወይ ነገር ኣብ ምግላጽ ዚዝውተር ፍልይ ዝበለ
ትርጕም'ውን ኪህልዎ ዚኽእል እዩ።
ግሳዊ ስም መሰነይታ ናይ "ስም" ዜብሉ ብዝሕን ጾታን እውን ብዚፈሊ
መልክዕ ኪዝውተር ይክኣል። ብጀካ'ዚ፡ በቲ ደሓር ኣብ ግሲ ብሰፊሑ ዚግለጽ ብ
"ኣዕማድ" ናይ ም'ርባሕ ባህር'ውን ኣሎዎ።

53
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣብ ባርካ ሰፊሕ ልሙዕ ተሓራሲመሬት ኣሎ። ግሳዊ ቕጽል


እቲ መሬት ተሓራሳይእዩ። ‘‘
ኣውፋራይ ርእሰማሉ ኬውዕለሉ ይኽእል። ግሳዊ ስም
ንኺሰፍሕን ንኺለምዕን ብዙሕ ወፍሪይሓትት። ''
*ካብ ግሲ ዝተፈላለየ ግሳዊ ስምን ቅጽልን ንምውርራድ ከም ዚክኣል ኣስተብህል።
ንጽጽር ኣብ ቅጽል፡ ኣብ ቅጽል ሰለስተ ደረጃ ናይ ንጽጽር ኣሎ። ንሱ ድማ (ንኣ.
ጸበቐ)፤
እወታዊ ጽቡቕ
ንጽጽራዊ ካብ__ ጽብቕ ዝበለ/ ይብል/ ይጽብቕ/ ካብ__ዝጸበቐ እዩ።
ጸብለልታዊ (እቲ) ዝጸበቐ
እወታዊ ጠቐራበሪኽእምባእዩ።
ንጽጽራዊ እምባሶይራካብእምባጠቐራይብርኽ(ብርኽይብል)
ጸብለልታዊ እምባአቨረስት፡እቲዝበረኸ እምባኣብዓለምእዩ።

ጾታን ብዝሕን ኣብ ቅጽል

ኣብ ትግርኛ፡ ቅጽል ጾታን ብዝሕን ይፈሊ እዩ። ብጀካ’ዚ፡ ጾታኡ ውሱን ኣብ ዘይኮነ
ህያውን ግኡዝን ነገራት ዝተፈላለየ ኣገባብ ብዝሕን ጾታን ይኽተል።

(ሀ) ህይወት ንዘሎዎ፤

ጽቡቕ ወዲ ጽብቕቲ እያ ጽቡቓት መንእሰያት


ኣገዳሲ ሰብ ኣገዳሲት ሰብ ኣገደስቲ ሰባት

(ለ) ንግኡዝ ነገር፤

ድሙቕ ኮኸብ በሊሕርሳስ


ድምቕቲኮኸብ በላሕርሳስ
ድሙቓትከዋኽብቲ በላሕቲርሳሳት
ድሙቓትኮኾብ (ንእኩብ) በላሕቲርሳስ(ንእኩብ)

54
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሓደ ግኡዝ ነገር ወይ ኣጓጕል ዝጾታኡ ስም ብልምዲ ብተባዕታይ ወይ ብኣንስታይ


ኪርቋሕ ይስማዕ እዩ። እቲ ምርጫ ናይ ጾታ፡ ንብርታዐ፡ ንድኻም፡ ንጽባቐ፡ ንትርኢት፡
ንፍትወት፡ ንጽልኣት፡ ወዘተ… የንጸባርቕ። ብልምዲ፡ ጸሓይ፡ ወርሒ፡ ሞት፡ ህይወት፡
ሓቂ፡ ወኻርያ፡ ህበይ፡ ወዘተ… ብኣንስታይ ጾታ ይርቍሓ። ከምኒ፡ ንፋስ፡ ደበና፡
ውቅያኖስ፡ ቀላይ፡ ፈለግ፡ ዝብኢ፡ ወዘተ…ብተባዕታይ ይርቋሕ።
ብጀካ’ዚ፡ ንድርብ ስም ብንጽል ተባዕታይ ጾታ ቕጽል ንምግላጽ ስለ ዚክኣል ከም መለሳ
ኣገባብ ኪዝውተር ይክኣል። ንኣብነት፤
እቲ ጽርግያ ብተሪር ኣእማን ዝተነጽፈ ነበረ።
በቲ ቐዝሑ በሊሕ መራፍእ ዝወግኣ ኾይኑ ተስምዓ።
ምቁር ፍረታት ዚሽየጦ ድኳን እዩ።
እታ ገዛ ኽልተ ርሒብ ክፍልታት ኣሎዋ።

(ሐ) ምስ እኩብ ስም ዚዝውተር ቅጽል፤

ተናኻሲ ንህቢ
ብዙሕ ገንዘብ
ሓያል ሰራዊት
ጽኑዕ ማሕበር

(መ) ምስ ንጽል ረቂቕ ስም ዚሳነ ድርብ ቅጽል፤

ውሑድዓቕሚ በብዓይነቱባህሊ
ጸበብቲዕድል ሕውስዋስስምዒት
ብዙሕ ተኽእሎ ዝተፈላለየመቕጻዕቲ
ነንበይኑሓሳብ ብርኩትእቶት

(ረ) ኣበዛዝሓ ናይ ግኡዝን ረቂቕን ስም፣

ኣብ ትግርኛ ንግኡዝን ሓውሲ ግኡዝን ወይ ረቂቕ፡ ብተባዕታይ ጾታ ዚጽዋዕ ስም፡ ካብ


ብድርብ ብንጽል ምርቋሑ ዝያዳ ይምረጽ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ንርአ፣
እቶተይ ብዙሓት እዮም ካብ ምባል እቶተይ ብዙሕ እዩ።
ሓሳባተይ ኣይተጠርነፉን ካብ ምባል ሓሳባተይ ኣይተጠርነፈን

55
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሓያሎ ገዛውቲ ዓንዮም ካብ ምባል ሓያሎ ገዛውቲ ዓንዩ


ኣጽፋርካ ተኸላኣዮም ካብ ምባል ኣጽፋርካ ተኸላኣዮ
ብዙሓት ትምኒታት/ ስክፍታታት ካብ ምባል ብዙሕ ትምኒት/ስክፍታ
ኣእዳውካ ሕጸቦም ካብ ምባል ኣእዳውካ ሕጸቦ
ኣእጋርካ ረሲሖም ካብ ምባል ኣእጋርካ ረሲሑ
ሓጽብታት ተሃኒጾም ካብ ምባል ሓጽብታት ተሃኒጹ
ዝመረቱ ሓጸውን/ሓጺናት ካብ ምባል ዝመረተ ሓጸውን
እዞም ናውቲ ማሕረስ ካብ ምባል እዚ ናውቲ ማሕረስ
ዝበለዩ መጻሕፍቲ ካብ ምባል ዝበለየ መጻሕፍቲ
ዝተዓማጸጹ ኣቕራሽ ካብ ምባል ዝተዓማጸጸ ኣቕራሽ
ምባል፡ ምስቲ ላዛ ናይቲ ቛንቋ ስለ ዚሳነ ይምረጽ።
ኣስተብህል፣
ብዙሕ ዚብል ቃል ንባዕሉ ብንጽል እዩ ዚጥቀስ ዘሎ። እዚ ፍሉይ ባህሪ ናይ ትግርኛ
ስለ ዝኾነን ኣብ ትርጉም ናይ ትሕዝቶኡ ድማ ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለ ዜብሉን ቅቡል
ይገብሮ።
ንህይወታዊ ነገር ብተባዕታይ ጾታ ዚምደብ ክነሱ’ውን ብንጽል ዚርቍሓሉ ኣጋጣሚ
ውሑድ ኣይኮነን። እዚ ንትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ከየዛባዕካ ምስ ዚግበር ጥራይ
እዩ ተቐባልነት ዘሎዎ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ንርአ፣
ኣብቲ ቕርዓት ብዙሕ ሰብ ተኣከበ።
እቲ ጕዳይ፡ ብዛዕባ ጸልማት ተጐልቢቦም መጠኑ ዘይተፈልጠ ኣእዋም ዝቘረጹ
ገበነኛታትን ኣብቲ ሰሙናት እቲ ገርጊሩ መዓት ጥሪት ዘጥፍአ ዕስለ ዝብእን ንምዝታይ
እዩ ዝነበረ። ካብቲ ተጋባኢ ሓያሎ ጠቓሚ ሓሳብ ፈሰሰ፣ ብዙሕ ክትዕ ሰዓበ፣ ኣብ
መጠረሽታ ድማ፡ ክልተ ሓፈሻዊ ውሳነ ነቲ ጕዳይ ከምዚድምድሞ ተገብረ።
እዚ ሕጡበ-ጽሑፍ’ዚ፡ ነዚ ናይ ትግርኛ ባህሪ ጐስዩ ናይ ካልእ ቋንቋ ቅሻረት ንምልባሱ
እንተ ዚፍተን ድማ ከመይ ኪመስል ከም ዚኽእል እስከ ንርአ፣
ኣብቲቕርዓትብዙሕሰብተኣከበ።እቲጕዳይ፡ብዛዕባጸልማትተጐልቢቦም
መጠኑዘይተፈልጠኣእዋምዝቘረጹገበነኛታትንኣብቲሰሙናትእቲገርጊሩ
መዓትጥሪትዘጥፍአዕስለዝብእንንምዝታይእዩዝነበረ።ካብቲተጋባኢሓያሎ
ጠቓሚሓሳብፈሰሰ፣ብዙሕክትዕሰዓበ፣ኣብመጠረሽታድማ፡ክልተሓፈሻዊ
ውሳነነቲጕዳይከምዚድምድሞተገብረ።
ኣብቲቕርዓትብዙሓትሰባትተኣከቡ።እቶምጕዳያት፡ብዛዕባጸልማት ተጐልቢቦም
መጠኖም ዘይተፈልጡ ኣእዋም ዝቘረጹ ገበነኛታትን ኣብቶም
ሰሙናትእቲኣቶምገርጊሮምመዓትጥሪትዘጥፍኡዕስለኣዛብእንንምዝታይ

56
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

እዮምዝነበሩ።ካብቶምተጋባእቲሓያሎጠቓሚሓሳባት ፈሰሱ፣ብዙሓት
ክትዓትሰዓቡ፣ኣብመጠረሽታድማ፡ክልተሓፈሻዊውሳነታትነቶምጕዳያት
ከምዚድምድሙዎምተገብሩ። ብኣንስታይጾታእንተዚጽሓፍድማሳዕቤኑንርአ፣
ኣብታቕርዓትብዙሓትኣንስቲተኣከባ።እተንጕዳያት፡ብዛዕባጸልማት
ተጐልቢበንመጠነንዘይተፈልጣኣእዋምዝቘረጻገበነኛታትን፡ኣብተንሰሙናት
እቲኣተንገርጊረንመዓትጥሪትዘጥፍኣዕስለዝብእንንምዝታይእየን ዝነበራ።
ካብተንተጋባእቲሓያሎጠቓሚሓሳባት ፈሰሳ፣ብዙሓትክትዓትሰዓባ፣ኣብ
መጠረሽታድማ፡ክልተሓፈሻዊውሳታትነተንጕዳያትከምዚድምድማአን ተገብራ።
ብኣንስታይ ጾታ ዚርቛሕ ነገር ንምድራቡ ዝቐለለ መሲሉ እንተተራእየ’ኳ በዚ
ኣብ ላዕሊ ዝተኸስተ ውጽኢት ኣዕጋቢ ከም ዘይኸውን ንምግንዛቡ ኣየጸግምን።
(ሰ) ዝተፈላለየ ኣገባብ ዝውተራ ንጽልን ድርብን ቅጽል፤
(ሀ) ሓድሽ ቅዲ (ለ) ናይ ቀደም ቅዲ
ሞያዊሓኪም ብዓል ሞያ ሓኪም
ሞያውያንሓኻይም ሰብ ሞያ ሓኻይም
ልምዳዊትመሕረሲት ብዓልቲ ልምዲ መሕረሲት
ልምዳውያንመሕረስቲ ሰብ ልምዲ መሕረስቲ
ቅያዊ መንእሰይ ብዓል ቅያ መንእሰይ
ቅያውያንመንእሰያት ሰብ ቅያ መንእሰያት
ጥንታውያን ቅርስታት ጥንታዊ ቕርስታት
ታሪኻውያንቦታታት፡ ታሪኻዊ ቦታታት
ፍቕራዊትፊልም ናይ ፍቕሪ ፊልም ወዘተ…
ብመንጽር ላዛን ንጽረትን፡እቲኣብትሕቲ(ለ) ዘሎይምረጽ
፬ ግሲ
ግሲ፡ ንተግባር፡ ንፍጻመ፡ ንዅነት ወይ ንሃለዋት ዚገልጽ ክፍለንግግር እዩ። ኣብ ቋንቋ
ትግርኛ፡ ግሲ ዳርጋ ዅሉ ግዜ ምስ ተለቃቢ ተውላጠስም ተውሃሂዱ ጾታን ብዝሕን
ኣካልን ግዜን ብዚፈሊ ቅርጺ ስለ ዚዝውተር ውጹእ ወይ ንጹር መልክዕ የብሉን። እዚ
ማለት ድማ ከምቲ ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት ዚርአ፡ ከም ውጹእ ግሲ ዘይኮነስ ብመልክዕ
ሓረግ ወይ’ውን ዓረፍተ ነገር እዩ ዚዝውተር። ሳሕቲ ግና በቲ ሌጣ ቕርጹ ኸም ቃለ
ኣንክሮ ዚዝውተረሉ ግዜ ኣሎ። ነዚ ንምርዳእ እዚ ዚስዕብ ትንተና ንርአ፣
ኣደዃዅና ግሲ ኣብ ትግርኛ፡ ቃለ-ኣጋንኖኣዊ መልክዕ ካብ ዘሎዎ ቓላት ዝመንጨወ
ይመስል። እዚ ቃለ-ኣጋንኖኣዊ ቓላት እዚ፡ ንድምጺ፡ ንምንቅስቓስ፡ ንዅነት፡ ንኣጋውል

57
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ወዘተ ዚገልጽ ኪኸውን ይኽእል። ግዜ፡ ጾታ፡ ብዝሒ፡ ኣካል፡ ስለ ዘይፈሊ ድማ ኣብዚ
ሕጂ ተታሒዙ ዘሉ ኣርእስቲ ሌጣ ግሲ ዚብል ስያመ እንተ ተዋህቦ ዝሓሸ መግለጺኡ
ይኸውን። ሒደት ነዚ ዚውክል ኣብነት እንሆ፣
ብኽልተ ፊደላት ዝቖመ ሌጣ ግሲ (ቃለ-ኣጋንኖኣዊ ቓል)

ሰፍ ፍር ቂው ጥብ
ብር ጥር ስር ተግ
ነቕ ፍስ ውጭ ጭል
ቃዕ ዋዕ ቋሕ ጻሕ
ራዕ ጸግ ፈግ በግ
መዅ ረፍ ኳሕ ዘፍ
ወዘተ...

ብሰለስተ ፊደላት ዝቖመ ሌጣ ግሲ፣

ጽሕፍ (666) ርኽብ ፍንው ስእን


ብልዕ ፍርሕ ስትይ ፍልሕ
ስዕር ስብር ፍስሕ ርግጽ
ምጽእ ብትን ውርድ ውጥም
ፍትል ዝልል ቅትል ፍትው
ቅድስ ቍርጽ ሕምም ጽዕት
ፍሕስ ርሕቕ ቍዝም ኵድር
ዝዝም እብስ ብርኽ ቅንይ
ውርሕ ክርም ሕግይ ሰተት (116)
ሸተት ሸታሕ(146) ብጕል ሕምስ
ወዘተ...

ብኣርባዕተ ፊደላት ዝቖመ ሌጣ ግሲ (ቃለ-ኣጋንኖኣዊ ቓል)

ሕንጥጥ ብሕጅር ሕንፍጥ ጭሕግር


ሕርቅም ጽሕትር ክትክት ኵርምይ

58
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ክርትም ሰንከል ክንብል ድንክል


ፍንቅል ሕንኵል ዕንጕል ድንጕይ
ዕንድር ምንጅኽ ኵስትር ውልውል
ውርውር ግምብው ጕንብስ ቅንጥው
ፍንጭል ግንጭር ብንጭር ብንቍር
ኣንቍር ቍርቍር ኵርኵር ወዘተ...

መብዛሕትኡ ብፊደላት ሳድስ (666) ዝቖመ ምዃኑ ኣስተብህል። ብሓምሽተን ሽድሽተን


ፊደላት ዝቖመ ሌጣ ግሲ (ኣንክሮኣዊ ቓል)

ዓነፍነፍ ብርቕርቕ ዓበድበድ


ዓጀውጀው ቀባሕባሕ ቈጠምጠም
ፈንጠራዕ ዓወንወን ሃለብለብ
ዓነውነው ዓረግረግ ፍልስልስ
ዕልቕልቕ ሕምሽምሽ ዓነፍነፍ
ሕርቅምቅም ጨርቀምቀም ሓልቀምቀም

ኣደዃዅና ግሳዊ ሓረግ ካብ ሌጣ ግሲ፣

መብዛሕትኡ ካብቲ ምእንቲ ንምፍኳሱ ተባሂሉ ብድብድቡ ግሲ ዚብሃል፡ ብትኽክል


ኣተናትና ግና ግሳዊ ሓረግ ዝኾነ ብውህደት ሌጣ ግስን ተለቃቢ ተላጠስምን ዝቖመ
ቃል እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነት ንርአ፣ ኣደዃዅና ሓረጋዊ ግሲ ካብ ሌጣ ግሲ ብሳልሳይ
ኣካል ተባዕታይ ጾታ ርሑቕ ሕሉፍ እዋን ከምዚ ዚስዕብ ይመስል፣
ሊጣ ግሲ ግሳዊ ሓረግ ሌጣ ግሲ ግሳዊ ሓረግ
ቂው ነቀወ ብር ተበራበረ
ጥር ነጠረ ስር ሰረረ/ተ/ኣሰራሰረ
ተግ ነተገ ነቕ ነቕነቐ
ፍስ/ፈስ ነፈሰ/ፈሰወ ውጭ ወጨጨ
ጭል ቃጨለ ቃዕ ነቕዐ
ዋዕ ዋዕውዐ ቋሕ ነቝሐ

59
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ጻሕ ነጽሐ/ጻሕጽሐ ራዕ ራዕርዐ
ዝል ዘለለ ዛሕ ነዝሐ
ረፍ ዓረፈ ሕዝ ኣሓዘ

ሰለስተ ዝፊደሉ ሌጣ ግሲ (ናብ ሳልሳይ ኣካል፡ ተባዕታይ ጾታ፡ ርሑቅ ሕሉፍ)፣

ሌጣ ሓረጋዊ ሌጣ ሓረጋዊ
ጽሕፍ ጸሓፈ ርኽብ ረኸበ
ፍንው ፈነወ ስእን ሰኣነ
ብልዕ በልዐ ፍርሕ ፈርሐ
ስትይ ሰተየ ፍልሕ ፈልሐ
ስዕር ሰዓረ ስብር ሰበረ
ፍስሕ ፈሽሓወ ርግጽ ረገጸ
ምጽእ መጽአ ግርዝ ገረዘ
ግዝር ገዘረ ብትን በተነ
ውርድ ወረደ ውጥም ወጠመ
ሰተት ተ/ኣንሳተተ ሸተት ተ/ኣንሻተተ
ሸታሕ ተ/ኣንሻትሐ ንጥር ነጠረ ወዘተ…

ኣርባዕተ ዝፊደሉ ሌጣ ግሲ (ብተመሳሳሊ ኣገባብ)፣

ሌጣ ሓረጋዊ ሌጣ ሓረጋዊ
ሕንጥጥ ሓንጠጠ ሕንጽጽ ሓንጸጸ
ብሕጅር ባሕጀረ ሕንፍጥ ሓንፈጠ
ጭሕግር ጫሕገረ ሕርቅም ሓርቀመ
ጽሕትር ጻሕተረ ክትክት ከትከተ
ኵርምይ ኣ/ተዀርመየ ክርትም ከርተመ
ሰንከል ሰንከለ ክንብል ከንበለ
ጭንጕዕ ጨንጕዐ ስንክት ሰንከተ
ዕርዕር ዓርዓረ ሕርሕር ሓርሓረ

60
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ብሓምሽተን ሽድሽተን ፊደላት ዝቖመ ሌጣ ግሲ (ኣንክሮኣዊ ቓል)

ሌጣ ሓረጋዊ ሌጣ ሓረጋዊ
ዓነፍነፍ ተ/ኣዕነፍነፈ ብርቕርቕ ተ/ኣብረቕረቐ
ዓበድበድ ተ/ኣዕበድበደ ዓጀውጀው ተ/ኣዕጀውጀወ
ቀባሕባሕ ተ/ኣቕባሕብሐ ቈጠምጠም ተ/ኣቝጠምጠመ
ፈንጠራዕ ተ/ኣፈነጣርዐ ዓወንወን ተ/ኣዕወንወነ
ሃለብለብ ተ/ኣህለብለበ ዓነውነው *ዓነወ
ዓረግረግ ተ/ኣዕረግረገ ፍልስልስ *ፈለሰ
ዕልቕልቕ ተ/ኣዕለቕለቐ ኽምስምስ ተ/ኣኽመስመሰ
ዓነፍነፍ ተ/ኣዕነፍነፈ ሕርቅምቅም *ሓርቀመ
ጨርቀምቀም *ጨርቀመ ሓልቀምቀም *ሓልቀመ
*ምስቲ ሰለስተ ዝፊደሉ ምንጩ ፍልልይ የብሉን።
እቲ ኻብ ክልተ ዝፊደሉ (ፍር፡ ቂው፡ ጭል ወዘተ) ዝመንጨወ ሌጣ ግሲ (ንፍር፡
ንቅው፡ ወዘተ) ብቐጥታ ምስ ድምጺ ዝተተሓሓዘ ኣገባብ ኣደዃዅና ኪኸውን ከሎ፡
እቲ ዝተረፈ ግና ካብ ፍሉጥ ሓረጋዊ ግሲ ብተመሳሳሊ ግና ኣንጻራዊ ኣገባብ ናብ
ሌጣ ግሲ ዝተዋረደ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ብርግጽ ከም ምንጪ ናይቲ ሓረጋዊ ግሲ
እዩ ተባሂሉ ኺድምደም ኣይከኣልን።
ኣብ ትግርኛ፡ ክልተ ዓይነት ሓረጋዊ ግሲ ኣሎ። ንሱ ድማ፣
፩. ግሲ /ሓረጋዊ ግሲ
፪. ሓጋዚ-ግሲ ይብሃል።

፩. ግሲ

ከምቲ ልዒሉ ዝተገልጸ ናይ ትግርኛ ግሲ ብሌጣ መልክዕ ዚዝውተር ኣይኮነን። ምስ


ተለቃቢ ተውላጠስም ተወሃሂዱ፡ ንፍጻመ፡ ንኹነት፡ ንሃለዋት ብሕሉፍ፡ ብህልዊ ወይ
ብመጻኢ እዋን ይሕብር። ኣብ ልዕል'ዚ፡ እዚ ዝተጠቕሰ ግሲ፡ ብኣዕማድ፡ ጾታን ኣካልን
እናፈለየ ኺረብሕ ይኽእል። ንኣብነት ተባዕታይ ጾታ፡ ሳልሳይ ኣካል፡ ንጽል ምስ
ዚውሰድ፡
በልዐ በሊዑ ይበልዕ ኪበልዕ

61
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

*ጾታን ኣካልን ምስቲ ግሲ ተጸንቢሩ ሳልሳይ ኣካል ንጽል ምዃኑ ኣነጺርዎ ኣሎ።

፪. ሓጋዚ ግሲ

ሓጋዚ ግሲ ፡ ብድሕሪ እቲ ብዘልማድ ቦዝ ዓንቀጽ ዚብሃል ወይ ኣዛማዲ ተውላጠስም


ብምኽታል፡ ነቲ ዓረፍተ ነገር ዚዛዝም ቃል እዩ። ሓጋዚ ግሲ ኣዕማድ የብሉን፡ በዚ
ምኽንያት'ዚ ሓድሓደ እዋን “ነ’ባር ግሲ" እናተባህለ'ውን ይጥቀስ።
ዚስዕብ ኣብነት ንርአ፣
ጽሒፉ ነበረ
ጽሒፉ ኣሎ
ዝጸሓፈ እዩ/ኣሎ/ነይሩ ወዘተ…
ጽሒፉ ነይሩ ኪጽሕፍ እዩ
ዚጽሕፍ እዩ/ኣሎ/ነይሩ ወዘተ…
*ነበረ፡ ነይሩ፡ ኣሎ፡ እዩ፡ ወዘተ... ኣብዚ፡ ዓረፍተነገራት’ዚ ከም ሓጋዚ ግሲ እዩ ኣትዩ
ዘሎ።
ሓደ ኻብቲ ኣዐርዩ ኺስትብሃለሉ ዚግባእ፡ እዚ ብተለምዶ “ቦዝ ዓንቀጽ” ተባሂሉ ዘሎ፡
ከምቲ ኣብ ገለ መጻሕፍቲ ሰዋስው ዚጥቀስ፡ ንዓረፍተነገር ኪዛዝም ስለ ዘይክእል
ኣይኮነን ሓጋዚ ግሲ ዜድልዮ። እቲ ሓጋዚ ግሲ፡ ንመዕለቢ ናይቲ ምሉእ ሓሳባት ጥራይ
ዘይኮነስ፡ ፍሉይ መልእኽቲ ንምምሕልላፍ እውን ቀንዲ ተግባሩ እዩ።
ነዚ ዚስዕብ ኣብነት ንርአ፤
(ሀ) ሓንቲ ደብዳበ ጽሒፈ። እቲ “ጽሒፈ”ዚብል ግሲ ንቐረባ ሕሉፍ የመልክት ኣሎ።

(ለ) ሓንቲ ደብዳበ ጽሒፈ ነይረ።


ከምቲ ናይ (ሀ) ተመሳሳሊ ኽነሱ፡ እቲ ጸሓፋይ ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ሳዕቤን ከም ዘሎ
ንምንጋር ከም ዝሓሰበ ይእምት።
(ሐ) ቅድሚ ዕስራ ዓመት ሓንቲ ደብዳበ ጽሒፈ ነይረ።
ከምቲ ናይ (ለ) ተመሳሳሊ ኽነሱ ርሑቕ እዋን ምዃኑ ንምንጋር ግና “ዕስራ
ዓመት” ዚብል ተወሲኹሉ ኣሎ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ከምቲ ናይ (ለ) ብ “ነይረ” ምዝዛሙ
ተወሳኺ ሓበሬታ ወይ ሳዕቤን ከም ዘሎ ይእምት።

62
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

(መ) ሽዑ፡ ተቐላጢፈ ሓንቲ ደብዳበ ጸሓፍኩ። ሸሕ’ኳ ኽንደይ እዋን ከም ዝሓለፈ
እንተ ዘይጠቐሰ፡ እቲ “ጸሓፍኩ” ዚብል ግሲ ናይ ርሑቕ ግዜ ፍጻመ ምዃኑ ይሕብር
ኣሎ።
(ረ) ውርይቲ ልብ-ወልድ ዝጻሓፈ እዩ። እቲ እዋን ርሑቕ ክነሱ ኣዛማዲ ግሲ
ብምዃኑ ሓጋዚ ግሲ ኬድልዮ ይኽእል እዩ።
(ሰ) ቅድሚ ሽዑ፡ ሓንቲ ደብዳበ ጽሒፈ ነበርኩ። እቲ ሓጋዚ (ነበርኩ) እቲ ፍጻመ
ናይ ርሒቕ እዋን ምዃኑ ይሕብር ኣሎ።
ተራ ግሲ (ግሲ)
ሓደ ተራ-ግሲ፡ ተሳጋሪ ወይ ዘይተሳጋሪ ኪኸውን ይኽእል።

፩. ተሳጋሪ ግሲ - እቲ ተግባር ናይ ብዓልቤት ኣብ ልዕሊ ተሳሓቢ ኺውዕል ከሎ


ተሳጋሪ ግሲ ይብሃል። እታ ጓል መጽሓፍ ዓደገት።

እታ = ኣመልካቲ ቕጽል ጓል= ብዓልቤት


መጽሓፍ= ተሳሓቢ ዓደገት= ተግባር (ግሲ)
*“ዓደገት” ዚብል ተግባር ብብዓልቤት (ጓል) ኣብ ልዕሊ ተሳሓቢ (መጽሓፍ) ዝተፈጸመ
ስለ ዝኾነ፡ ተሳጋሪ ግሲ ይብሃል።
እታ ጓል መጽሓፍ ዓደገት።
በዚ ዚስዕብ ሕቶ ንምጥላል ይክኣል።
ሕቶ ምላሽ ውጽኢት
ነቲ መጽሓፍ መን ዓደጎ? እታ ጓል ብዓልቤት እታ ጓል እንታይ ዓደገት?
መጽሓፍ ተሳሓቢ እታ ጓል እንታይ ገበረት? ዓደገት ግሲ
፪. ዘይተሳጋሪ ግሲ - እቲ ብብዓልቤት ዝተፈጸመ ተግባር ኣብ ገዛእ ርእሱ ዚውዕለሉ
ዅነት የመልክት። ከልቢ ኺነብሕ ሓዲሩ።
ሕቶ ምላሽ ወጽኢት
መን (እንታይ) ነቢሑ? ከልቢ ብዓልቤት ከልቢ ንመን ነብሓሉ? - -
ከልቢ እንታይ ገበረ? ኪነብሕ ሓደረ ግሲ
ኣዕማድ ግሲ

63
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ተራ-ግሲ ብኣዕማድ እናረብሐ፡ ንዝተፈላለየ ኣገባብ ናይ ሓደ ንጥፈት ንምግላጽ


ይዝውተር። እቲ ኣገባብ ንጥፈት፡ ብመን፡ ኣብ ልዕሊ መን፡ ኣብ መንጎ መን፡ ወዘተ...
ከም ዝተፈጸመ ይሕብር። ቀጺሉ ናይ ዝተፈላለየ ጕጅለ ቓላት ብኣዕማድ እንሆ፤

መእተዊኡ ዘይጐረሮኣዊ ኾይኑ ብሰለስተ ፊደል (111) ዝቖመ፤

ገቢር *ለገበ *ለ’ገበ መረጸ መዓደ


ተገብሮ *ተለግበ ተለ’ገበ ተመርጸ ተማዕደ
ተጋብሮ ተላገበ - **ተማረጸ **ተማዓደ
ተገባብሮ ተለጋገበ - ተመራረጸ ተመዓዓደ
ኣግብሮ ኣልገበ ኣለ’ገበ ኣምረጸ ኣምዓደ
ኣ'ጋብሮ ኣ’ላገበ - ኣ'ማረጸ *ኣ'ማዓደ
ኣ'ገባብሮ ኣ'ለጋገበ - ኣ'መራረጸ ኣመዓዓደ
*ኣብቲ ዚፈኵስን ዚተርርን ተመሳሰልቲ ቓላት ዘሎዎ፡ እቲ ፈኲስ ዝያዳ ኣዕማድ ከም
ዘሎዎ ኣስተብህል።
**ብመጐት ትኽክል እንተኾነ'ኳ፡ ተጋብሮ ብተገባብሮ፡ እንተ ተተክአ እዩ ዚንጽር።
ኣ’ላገበ = 1. ኣተሓሓዘ። 2. (ስውያ) ኣሰማምዐ፤ ኣሳነየ። ኣ'ማረጸ = 1. ኣብ ምምራጽ
ሓገዘ፤ ብሓባር መረጸ። 2. ንሓደ ነገር ካብ ካልእ ዝያዳ መረጸ፣ ኣቃይሐ። ኣ'ማዓደ =
ኣብ ምምዓድ ሓገዘ።

ብሰለስተ ብጐረሮኣዊ ዝጅምር ፊደላት (411) ዝቖመ፤

ገቢር ሓመየ ሓበረ ሓ'በረ


ተገብሮ ተሓምየ ተሓብረ ተሓ'በረ
ተጋብሮ - - -
ተገባብሮ ተሓማመየ ተሓባበረ -
ኣግብሮ ኣሕመየ ኣሕበረ ኣሓ'በረ
ኣ'ጋብሮ ኣ'ተሓመየ **ኣ'ተሓበረ ኣ'ተሓ'በረ
ኣ'ገባብሮ ኣ'ተሓማመየ ኣ'ተሓባበረ -

64
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

*ኣብቲ ዚፈኵስን ዚተርርን ተመሳሰልቲ ቓላት ዘሎዎ፡ እቲ ፈኲስ ኣዕማድ ዝያዳ


ተዘውታሪ ኸም ዝኾነ ኣስተብህል።
**ብመጐት ትኽክል እንተኾነ'ኳ፡ ኣጋብሮ ብኣገባብሮ እንተ ተተክአ እዩ ዚንጽር።
ኣስተውዕል፤ ኣ'ጋብሮ ንሓደ ነገር ብሓባር ናይ ምስልሳል ወይ ምውቃይ ኬስምዕ
ከሎ ኣ'ገባብሮ ግና ኣብ ንሓድሕድ ዚኽሰት ነገር የስምዕ።ንኣብነት፤ ኣ'ተሓዘነ =
ብሓባር ሓዘነ። ኣ'ባልዐ = ብሓባር በልዐ። ኣ'ተዓበየ = ብሓባር ኣዕበየ። ኣ'ተሓቛቘፈ
= ንሓድሕድ ከም ዚሳነ ገበረ። ኣ'ተሓዛዘነ = ንሓድሕድ ከም ዚሓዝን ገበረ።
ኣተዓባበየ = 1. ንሓድሕዱ ኸም ዚዓቢ ገበረ። 2. (ስውያ) ኣጋነነ፣ ኣወዓውዐ።
ወዘተ... `

ብሰለስተ ብዘይጐረሮኣዊ ፊደላት ዚጅምር (111) ዝቖመ፤

ገቢር ለ'ከመ ተ'ኰሰ ጠ'ቀነ ፈ'ተነ


ተገብሮ ተለ'ከመ ተተ'ኰሰ ተጠ'ቀነ ተፈ'ተነ
ተጋብሮ ተላኸመ ተታዀሰ ተጣቐነ ተፋተነ
ተገባብሮ ተለኻኸመ ተተዃዀሰ ተጠቓቐነ ተፈታተነ
ኣግብሮ ኣለ'ከመ ኣተ'ኰሰ ኣጠ'ቀነ ኣፈ'ተነ
ኣ'ጋብሮ ኣ'ላኸመ ኣ'ታዀሰ ኣ'ጣቐነ ኣ'ፋተነ
ኣ'ገባብሮ ኣ'ለኻኸመ ኣ'ተዃዀሰ ኣ'ጠቓቐነ ኣ'ፈታተነ

ንኣብነት፤ ኣለ'ከመ = ከም ዚልከም ገበረ። ኣተ'ኰሰ = ከም ዚትኵስ/ዚትኰስ ገበረ።


ኣ'ላኸመ = ብሓባር ለከመ። ኣ'ታዀሰ = ብሓባር ተኰሰ።
ኣ'ለኻኸመ = ኣብ ሓድሕድ ላኼማ ኣስዓበ። ኣ'ተዃዀሰ = ኣብ ሓድሕድ ተዅሲ
ኣስዓበ። ኣብ ማእከሉ ፈኲስ "ወ" ዘሎዎ ብሰለስተ ፊደላት (111) ዝቖመ፤ ገቢር ሎሰ
(ለወሰ) ቆመ(ቀወመ) ዞረ(ዘወረ) ጾመ(ጸወመ)

ተገብሮ ተሎሰ ተቖመ ተዞረ ተጾመ


ተጋብሮ ተላወሰ ተቓወመ ተዛወረ *ተጻወመ
ተገባብሮ ተለዋወሰ *ተቐዋወመ ተዘዋወረ *ተጸዋወመ
ኣግብሮ ኣሎሰ ኣቖመ ኣዞረ ኣጾመ
ኣ'ጋብሮ ኣ'ላወሰ ኣ'ቃወመ ኣ'ዛወረ ኣ'ጻወመ

65
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣ'ገባብሮኣ'ለዋወሰ ኣ'ቀዋወመ ኣ'ዘዋወረ ኣ'ጸዋወመ

ንኣብነት፣
*ተጻወመ = ኣደዃዅናኡ ቕቡል ክነሱ ትርጉም ግና የብሉን።
*ተቐዋወመ = ከም ዚቐውም ወይ ዜቕውም ዝተገብረ። *ተጸዋወመ = ኣደዃዅናኡ
ቕቡል ክነሱ ግና ትርጉም የብሉን። ኣቃወመ = 1. ኣብ ምቛም ሓገዘ። 2. ከም
ዚቃወም ገበረ። ኣቀዋወመ = ኣብ ንሓድሕድ ከም ዚቃወም ገበረ።

ብኣርባዕተ ፊደላት ብ1611 ወይ ብ4661 ወይ 4611 ዝቖመ፤

ገቢር ሰምሰመ ሳዕስዐ ሳዕረረ


ተገብሮ ተሰምሰመ ተሳዕስዐ ተሳዕረረ
ተጋብሮ *ተሰማሰመ **ተሰዓስዐ **ተሰዓረረ
ተገባብሮ *ተሰማሰመ **ተሰዓስዐ **ተሰዓረረ
ኣግብሮ ኣሰምሰመ ኣሳዕስዐ ኣሳዕረረ
ኣ'ጋብሮ *ኣ'ሰማሰመ *ኣሰዓስዐ **ኣሰዓረረ
ኣ'ገባብሮ *ኣ'ሰማሰመ *ኣሰዓስዐ **ኣሰዓረረ
* ግሲ ተጋብሮን ተገባብሮን ከምኡ'ውን ኣጋብሮን ኣገባብሮን ሓደ እዮም።
ኣሰምሰመ = ከም ዚውቃዕ ወይ ዚዝበጥ ገበረ፣ ኣውቅዐ፣ኣዝበጠ። ኣሳዕስዐ = ከም
ዚስዕስዕ ገበረ። ኣሳዕረረ = ከም ዚስዕርር ገበረ።
*ተሰማሰመ = ንሓድሕዱ ተዋቕዐ፡ ተዛበጠ (ንኣ. ብበትሪ ብዱላ ብነፍጢ ወዘተ)
*ኣ'ሰማሰመ = ንሓድሕዱ ኸም ዚሰማሰም ገበረ፣ ኣዋቕዐ፡ ኣዛበጠ።
*ኣሰዓስዐ = ብሓባር ሳዕስዐ።
**ተሰዓስዐ = ኣደዃዅናኡ ቅኑዕ ክነሱ ግና ትርጉም ዜብሉ ቓል።
**ተሰዓረረ = ኣደዃዅናኡ ቅኑዕ ክነሱ ግና ትርጉም ዜብሉ ቓል። **ተሰዓስዐ =
ኣደዃዅናኡ ቅኑዕ ክነሱ ግና ትርጉም ዜብሉ ቓል።
**ተሰዓረረ = ኣደዃዅናኡ ቅኑዕ ክነሱ ግና ትርጉም ዜብሉ ቓል። **ኣሰዓረረ =
ኣደዃዅናኡ ቅኑዕ ክነሱ ግና ትርጉም ዜብሉ ቓል።
**ኣሰዓረረ = ኣደዃዅናኡ ቅኑዕ ክነሱ ግና ትርጉም ዜብሉ ቓል።
ብሓምሽተ ፊደላት ብ41411 ወይ ብ161411 ዝቖመ፤
ገቢር ኣ'ቀባጠረ ኣ'መሳመሰ ኣንቀሳቐሰ ተገብሮ ተቐባጠረ ተመሳመሰ ተንቀሳቐሰ

66
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

እቲ ሕጻን ኣዲኡ ኣቀባጠረትሉ። ብዙሕ እናተቐባጠረዝዓበየ እዩ። ብስእነት


ኣመሳሚስካኣይትስረቕ። እቲ በደል ብዙሕ ተመሳሚሱሉ፡ ካብ ተሓታትነት ዜናግፍ
ግና ኣይነበረን።
ሓደ ግሲ ብዅሉ ኣዕማድ ከይረብሕ ይኽእል እዩ። ብኽልሰ-ሓሳብ ንምርባሑ እንተ
ተሃቀነ’ውን፡ ኵሉ ንጹር ትርጉም ዚህብ ኮይኑ ኣይርከብን። ስለዚ፡ ሓደ ግሲ
ዚዝውተረሉን ዘይዝውተረሉን ኣዕማድ ምልላይ ኣገዳሲ ይኸውን።
ተወሳኺ መግለጺ፤
(ሀ) መጀመርታኡን ማእከሉን ጐረሮኣዊ ፊደላት ዘሎዎ ግሲ ከምኒ፡ ሃሰየ፡ ኣበየ፡ ዓሰበ፡
ለኣኸ፡ ጸሓፈ፡ ነሓፈ፡ ወዘተ... ከምኡ ድማ፡ ኣብ ማእከሉ ዚጠብቕ ፊደል ዘሎዎ ግሲ
ከምኒ፡ ለ’ከመ፡ ዘ’ከረ፡ ጠ’ቀነ፡ ፈ’ተነ፡ ወዘተ… ብተጋብሮን ብኣጋብሮን ኪረብሕ ከሎ
ኣደናጋሪ ወይ ትርጉሙ ዘይንጹር ቃል ስለ ዚኽሰት፡ ኣብ ክንድኡ፡ ብቕደም ተኸተል
ብተገባብሮን ብኣገባብሮን ምትካኡ የድሊ።
ተኽለን ኣበባን ተፋቒሮም (ንጹር)
ተኽለን ኣበባን ህያብ ተላኢኾም (ዘይንጹር)
ተኽለን ኣበባን ህያብ ተለኣኢኾም (ንጹር)
በጃኻ ኣዛኽሮ (ዘይንጹር)
በጃኻ ኣዘኻኽሮ (ንጹር)
(ለ) ገሊኡ ግሲ፡ ብመሸከሉ ተገብሮ ኽነሱ፡ ከም ገቢር ዘይተሳጋሪ ዚዝውተር ኣሎ።
ንኣብነት፡ ተሓ'ጐሰ፡ ተቐ'የመ፡ ተጸ'ለለ፡ ተነ'የተ፡ ተዓ'በየ፡ ወዘተ…። እዚ ብመልክዕ
ኣግብሮ ኺዝውተር ከሎ፡ ማለት ኣሓጐሰ፡ ኣቐ'የመ፡ ኣጸ'ለለ፡ ኣነ'የተ፡ ኣዓ'በየ፡ ወዘተ…
ኪኸውን ከሎ ድማ ተሳጋሪ ይኸውን።
ትበርህ ኣዝያ ተሓጐሰት (ትበርህ- ብዓልቤት ናይ ዘይተሳጋሪ ግሲ)፡
ተጸሊሉ ደኣ ከ'ይኸውን? (ንሱ-ብዓልቤት ናይ ዘይተሳጋሪ ግሲ)፡
*ከምዚ ዝኣመሰለ ተገብሮኣዊ ግሲ፡ ሽሕ'ኳ ናይ ብዓል ቤት ባህሪ ዘሎዎ ይምሰል'ምበር፡
ብግብርስ ናይ ሓደ ዘይተጠቕሰ ብዓልቤት (እቲ ትበርህ ዝተሓጐሰትሉ ወይ “ንሱ”
ዝተጸለለሉ ነገር) ተሳሓቢ ባህሪ እዩ ዜንጸባርቕ። ብመልክዕ ኣግብሮ ኪዝውተር ከሎ
ድማ፤
ትበርህ ነደኣ ኣዝያ ኣሓጐሰተን
ትበርህ= ብዓልቤት ናይ ተሳጋሪ ግሲ ኣደኣ = ተሰሓቢ
ኣሓጐሰተን = ግሲ (ተሳጋሪ)
እቲ ኽሳራ ኣጸሊልዎ እዩ። ክሳራ = ብዓልቤት ናይ ተሳጋሪ ግሲ)፡

67
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ዎ (ንሱ) = ተሰሓቢ ግሲ = ኣጸለለ (ተሳጋሪ) ኣብ ማእከሉ ዚደጋገም ሰለስተ


ዝፊደሉ ቓላት፤
ገቢር *በላልዐ ለኻኸመ ሓባበለ
ተገባብሮ **ተበላልዐ ተለኻኸመ ተሓባበለ
ኣግብሮ ***ኣበላልዐ ኣለኻኸመ ኣተሓባበለ
ኣገባብሮ ***ኣበላልዐ ኣለኻኸመ ኣተሓባበለ
*ቍሩብ፡ ሓሓሊፉ፡ ብቕልጡፍ ወይ ጸጸኒሑ ሓደ ነገር ገበረ ወይ ኮነ።
** ቍሩብ፡ ሓሓሊፉ ወይ ንሓድሕዱ ሓደ ነገር ተጋበረ፡ ኮነ ወይ ተገባበረ። ***
ቍሩብ፡ ሓሓሊፉ ወይ ኣብ ንሓድሕድ ሓደ ነገር ከም ዚፍጸም ወይ ዚኸውን ገበረ።
ብተወሳኺ ኣገባብሮ ናይ ግሲ "በልዐ" ምስ ኣግብሮ ናይ ግሲ "በላልዐ" ተመሳሰልቲ
ምዃኖም ኣስተብህል።
ንኣብነት፤
ሰብነቱ ተሓጻጺቡ ኺዛወር ከደ።
ዝርካቡ በላሊዑ ደቀሰ።
ምስ ኣባበደቶ ሃዲኡ።
በኺና በኻኺና ዝመለስናዮ ምዉት የለን።
ኣብ ማእከሉ ዚደጋገም ሰለስተ ዝፊደሉ ብጐረሮኣዊ ዚጅምር ቓላት፤
ገቢር *ኣራረየ ሓባበለ ዓባበየ
ተገብሮ **ተኣራረየ ተሓባበለ ተዓባበየ
ተጋብሮ **ተኣራረየ ተሓባበለ ተዓባበየ
ተገባብሮ **ተኣራረየ ተሓባበለ ተዓባበየ
ኣግብሮ ***ኣተኣራረየ ኣተሓባበለ ኣተዓባበየ
ኣጋብሮ ***ኣተኣራረየ ኣተሓባበለ ኣተዓባበየ
ኣገባብሮ ***ኣተኣራረየ ኣተሓባበለ ኣተዓባበየ
*ቍሩብ፡ ሓሓሊፉ፡ ብቕልጡፍ ወይ ጸጸኒሑ ሓደ ነገር ገበረ ወይ ኮነ።
** ቍሩብ፡ ሓሓሊፉ ወይ ኣብ ንሓድሕድ ሓደ ነገር ተገብረ፡ ተጋበረ፡ ተገባበረ ወይ
ኮነ።
*** ቍሩብ፡ ሓሓሊፉ ወይ ኣብ ንሓድሕድ ሓደ ነገር ከም ዚፍጸም
ኣግበረ፡ ኣጋበረ፡ ኣገባበረ ወይ ኮነ።
ካብ ሸውዕቲኡ ዝያዳ ትርጉም ዚህብ ገቢርን ተገባብሮን ኣገባብሮን ምዃኑ
ኣስተብህል።

68
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ተመሳሳሊ ኣዕማድ፤
ብኣርባዕተ ፊደላት ብ1411፡ 1441፡ 1461 ዝቖመ፤
ገቢር መኻኸረ መዓዓደ በላልዐ
ተገባብሮ ተመኻኸረ ተመዓዓደ ተበላልዐ
ኣ'ገባብሮ ኣመኻኸረ ኣመዓዓደ ኣበላልዐ

ተወሳኺ ዝተፈላለየ ዝትሕዝቶኡ ኣዕማድ፣

ብሽድሽተ ፊደላት ብ 461441፡ 461461፡ 461411 ዝቖመ፤

ገቢር ኣስተዋሓደ ኣስተራትዐ ኣስተማሰለ


ተገብሮ ተስተዋሓደ ተስተራትዐ ተስተማሰለ
ተገባብሮ ተስተወሓሓደ ተስተረታትዐ ተስተመሳሰለ
ኣ'ገባብሮ ኣስተወሓሓደ ኣስተረታትዐ ኣስተመሳሰለ

ብሽድሽተ ፊደላት ብ 461641፡ 461611፣

ገቢር ኣስተብሃለ ኣስተንከረ


ተገብሮ ተስተብሃለ ተስተንከረ
ተጋብሮ *ተስተባሃለ *ተስተናኸረ
ተገባብሮ ተስተበሃሃለ ተስተነኻኸረ
ኣግብሮ - -
ኣጋብሮ *ኣስተባሃለ *ኣስተናኸረ
ኣ'ገባብሮ ኣስተበሃሃለ ኣስተናኸረ
*ንጹር ትርጉም ዜብሉ
ተስተብሃለ = ከም ዚስትብሃል ኮነ፣ኣስተብህሎ ተዋህቦ። ተስተንከረ = ብኣስተንክሮ
ተራእየ፣ ተደንቀ። ተስተበሃሃለ = ኣብ ንሓድሕድ ኣስተብህሎ ገበረ። ተስተነኻኸረ =
ኣብ ንሓድሕድ ኣስተንክሮ ኣሕደረ። ኣስተበሃሃለ = ንሓድሕድ ከም ዚስተበሃሃሉ ገበረ።

69
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣስተናኸረ = ኣብ ንሓድሕድ ከም ዜስተንክሩ ገበረ። ብሽድሽተ ፊደላት ብ41411


ወይ ብ1614611 ወይ 4611 ዝቖመ፤

ገቢር ኣስተውዓለ ኣስቈርቈረ ኣንቀጥቀጠ


ተገብሮ ተስተውዓለ ተስቈርቈረ ተንቀጥቀጠ
ተጋብሮ *ተስተዋዓለ ተስቈራቘረ ተንቀጣቐጠ
ተገባብሮ ተስተወዓዓለ ተስቈራቘረ ተንቀጣቐጠ
ኣግብሮ *ኣስተውዓለ ኣስቈርቈረ ኣንቀጥቀጠ
ኣጋብሮ *ኣስተዋዓለ ኣስቈራቘረ ኣንቀጣቐጠ
ኣገባብሮ ኣስተወዓዓለ ኣስቈራቘረ ኣንቀጣቐጠ
*ኣብ ሓምሽተን ሽድሽተን ዝፊደሉ ቓላት፡ ገቢር ናይ ኣግብሮ ባህሪ ዘሎዎ ዚመስል ብ
"ኣ" ዚጅምር ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ። ኣብ ተጋብሮ ምንም’ኳ ብኽልሰ ሓሳብ ቅኑዕ
እንተ መሰለ፡ ንጹር ትርጉም ዘሎዎ ኣይኮነን።
ኣስተውዓለ = ፈለጠ፣ ኣስተብሃለ። ኣስቈርቈረ = ጓሂኡ ብምጕርምራም ገለጸ፣
ኣስተማሰለ። ኣንቀጥቀጠ = ቀጥቀጥ በለ፣ ኣንፈጥፈጠ። ተስተውዓለ = ተፈልጠ፣
ተስተብሃለ። ተስቈርቈረ = ብምስቍርቋር ተገልጸ፣ ተስተማሰለ። ተንቀጥቀጠ = ከም
ዜንቀጥቅጥ ኮነ፣ ተንፈጥፈጠ። ተስተወዓዓለ = ንንሓድሕዱ ኣስተውዓለ፣ ተፈላለጠ፣
ተስተበሃሃለ። ተስቈራቘረ = ንንሓድሕዱ ኣስቈርቈረ ወይ ተስተማሰለ። ተንቀጣቐጠ
= ብንሓድሕድ ተንቀጥቀጠ ወይ ተፈጥፈጠ። ኣስተወዓዓለ = ኣብ ንሓድሕድ ከም
ዜስተውዕል ወይ ዜስተብህል ገበረ፣ ኣፈላለጠ፣ ኣስተበሃሃለ።
ኣስቈራቘረ = ኣብ ንሓድሕድ ከም ዜስቈርቍር ገበረ። ኣንቀጣቐጠ = ኣብ
ንሓድሕድ ከም ዜንቀጥቅጥ ገበረ።
ገለ ኻብዚ ኣዕማድ’ዚ፡ ኣደዃዅናኡ ትኽክል እንተኾነ’ኳ፡ ገና ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓለ
ወይ ድማ ዘይትርጉሙ ለቢሱ ኪዝውተር ዚስማዕ እዩ። ንኣብነት ኣብ ክንዲ
“ተንቀጥቀጠ” ዚብል ገቢር “ተንቀጣቐጠ” ዚብል ተገባብሮ ምዝውታር።
ሓጋዚ ግሲ

ኣብ ትግርኛ፡ ሓጋዚ ግሲ ናይ ገዛእ ርእሱ መለለይን ኣገባብን ኣሎዎ። ስለዚ፡ ምስ


ካልእ ቋንቋ እናተዳረገ፡ ንኡ ምእንቲ ኺመስል ተባሂሉ ብግዲ ኺጕዕጸጽ ኮነ ዘይባህሪኡ
ኺለብስ ኣይግባእን። እዚ ናይ በይኑ ዝኾነ ቅሻረት’ዚ ምእንቲ ኺንጽር፡ ኣብ ትሕቲ

70
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ተመሳሳልነትን ፍልልይን ግሲ ናይ ትግርኛ ምስ እንግሊዝኛ ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ


ተዘርዚሩ ቐሪቡ ኣሎ።
ኣረባብሓ ሓጋዚ ግሲ፡ ሰለስተ ዓይነት ቀንዲ ሓጋዚ ግሲ ኣሎ።
፩. ናይ “ኩነት” ሓጋዚ ግሲ (ሓጋዚ ግሲ “ኩነት”)
፪. ናይ “ህላወ” ሓጋዚ ግሲ (ሓጋዚ ግሲ “ህላወ”)
፫. ናይ "ነበረ" ሓጋዚ ግሲ (ሓጋዚ ግሲ "ነበረ")
፬. ናይ “ኣንክሮ” ሓጋዚ ግሲ (ሓጋዚ ግሲ “ኣንክሮ")

ናይ ኩነት ሓጋዚ ግሲ
ኣረባብሓ ናይ ኩነት ግሲ ብድምር ናይ "እይ" ዚብል ጥብቆ ቅድሚትን ተለቃቢ
ተውላጠስምን ዝቖመ እዩ። ኣብቲ ድርብ "ይ" ዘሎዎ፡ እቲ "እ" ከም ዘሎዎ ኺተርፍ
ከሎ፡ እቲ ድርብ ፊደል ድማ ምስቲ ብድሕረኡ ዚስዕብ ተለቃቢ ተውላጠስም ተጸንቢሩ፡
ብተሪር ዚድመጽ ናይ "የ" ጅር ይህብ። ኣብቲ ዝተረፈ ግና እቲ "እ" ምስቲ ንጽል
"ይ" ተጸንቢሩ "ኢ" ይኸውን። እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ከኣ ከምዚ ዚስዕብ
ይመስል፤ እይ + ተለቃቢ ተውላጠ ስም = ናይ ኩነት ግሲ
ንኣብነት ንቐዳማይን ንኻልኣይን ኣካል ፡ንጽል፡ ተባዕታይ ጾታ ምስ እንርኢ፤ እይ +
ይ + አ = እ'የ ይ + ይ + አ = 'የ (ብተሪር ይድመጽ) እይ + ኽ + ኣ = ኢኻ እ
+ ይ = ኢ (ናብ ሳልስ ይቕየር) ምስ ናይ ኣካል ተውላጠስም ኪዝውተር ከሎ ድማ
እዚ ዚስዕብ ውጽኢት ይህብ፣

፩. ረባሕታ ግሲ “ኩነት”

ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ


1ይ እ'የ ኢና እይ+ይ+አ እይ+ን+ኣ
2ይ ኢኻ ኢኹም እይ+ኽ+ኣ እይ+ኽ+ኡም
2ይ ኢኹም ኢኹም „ „
2ይ ኢኺ ኢኽን እይ+ኽ+ኢ እይ+ኽ+እን
2ይ ኢኽን ኢኽን „ „
3ይ እ'ዩ እ'ዮም እይ+ይ+ኡ እይ+ይ+ኦም
3ይ እ'ዮም እ'ዮም „ „

71
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

3ይ እ'ያ እ'የን እይ+ይ+ኣ እይ+ይ+አን


3ይ እ'የን እ'የን „ „
ግሲ ዅነት ብናይ ኣካል ተውላጠስም ከይተሰነየ ምስ ዚዝውተር፡ እቲ ረባሕታኡ
ቝሩብ
ፍልይ ዝበለ ኾይኑ ኸምዚ ዚስዕብ ውጽኢት ይህብ፡
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ እ'የ ኢና እይ+ይ+አ እይ+ን+ኣ
2ይ ኢኻ ኢኻትኩም እይ+ኽ+ኣ እይ+ኻትክ+ኡም
2ይ ኢኹም ኢኻትኩም „ „
2ይ ኢኺ ኢኻትክን እይ+ኽ+ኢ እይ+ኻትክ+እን
2ይ ኢኽን ኢኻትክን „ „
3ይ እ'ዩ እ‘ያቶም እይ+ይ+ኡ እይ+ይ+ኣቶም
3ይ እ'ዮም እ‘ያቶም „ „
3ይ እ'ያ እ‘ያተን እይ+ይ+ኣ እይ+ይ+ኣተን
3ይ እ‘የን እ‘ያተን „ „
ብዘይ ናይ ኣካል ተውላጠስም ዚዝውተር ግሲ ዅነት ሳሕቲ ዜጋጥም ምዃኑ
ኪስትብሃለሉ ይግባእ።
ክምዚ ልዒሉ ዝተዘርዘረ፡ ኣብ ገሊኡ ላህጃ ትግርኛ፡ እዚ ግሲ’ዚ ናይ ድርብ መልክዕ
ኣሎዎ። ከምቲ ሳሕቲ ዜጓንፍ እቲ ዓረፍተነገር ብተወላጠስም ዘይተሰነየ ምስ ዚኸውን
ድማ እዚ ኣገባብ’ዚ እንተ ተዘውተረ ኣበሳ የብሉን። ንኣብነት፤
“ ንሳቶም ወሲዶም እዮም። ”
“ ወሲዳቶም እዮም። ”
“ እ'ያቶም ” ንምባል ይክኣል።
“ ንሳቶም ወሲዳቶም እዮም/እያቶም ” ግና ዘየድሊ ድርብ ብምዃኑ እንተ ተገድፈ
ይሓይሽ።
፪. ረባሕታ ግሲ “ህላወ”

ህልዊ ግዴታዊ (ትእዛዝ)


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ኣ'ለኹ ኣ'ለና እሃ'ሉ ንሃ'ሉ
2ይ ኣ'ለኻ ኣ'ለኹም ሃ'ሉ ሃ'ልዉ

72
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

2ይ ኣ'ለኹም „ ሃ'ልዉ „
2ይ ኣ'ለኺ ኣ'ለኽን ሃ'ልዊ ሃ'ልዋ
2ይ ኣ'ለኽን „ ሃ'ልዋ „
3ይ ኣ'ሎ ኣ'ለዉ ይሃ'ሉ ይሃ'ልዉ
3ይ ኣ'ለዉ „ ይሃ'ልዉ „
3ይ ኣ'ላ ኣ'ለዋ ትሃ'ሉ ይሃ'ልዋ
3ይ ኣ'ለዋ „ ይሃ'ልዋ „

ግሲ ዅነት ብናይ ኣካል ተውላጠስም ከይተሰነየ ምስ ዚዝውተር፡ እቲ ረባሕታኡ ቝሩብ


ፍልይ ዝበለ ኾይኑ ኸምዚ ዚስዕብ ውጽኢት ይህብ፡

ህልዊ ግዴታዊ (ትእዛዝ)


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ኣ'ለኹ ኣ'ለና እሃ'ሉ ንሃ'ሉ
2ይ ኣ'ለኻ ኣ‘ለኻትኩም ሃ'ሉ ሃ'ልዉታ
2ይ ኣ'ለኹም „ ሃ'ልዉ „
2ይ ኣ'ለኺ ኣ‘ለኻትክን ሃ'ልዊ ሃ'ልዋታ
2ይ ኣ'ለኽን „ ሃ'ልዋ „
3ይ ኣ'ሎ ኣ'ለዉታ ይሃ'ሉ ይሃ'ልዉታ
3ይ ኣ'ለዉ „ ይሃ'ልዉ „
3ይ ኣ'ላ ኣ'ለዋታ ትሃ'ሉ ይሃ'ልዋታ
3ይ ኣ'ለዋ „ ይሃ'ልዋ „

እቲ ብወይናይ ሕብሪ ተፈልዩ ዘሎ መጠረሽታ ሸነኽ ናይቲ ቓል፡

ኣካልን ጾታን ብዝሕን ዘጠቓለለ ረባሕታ ንምሃብ ዘኽኣለ ምዃኑ ምስትብሃል ኣገዳሲ
እዩ። ብጀካ'ዚ፡ ኣብቲ ግድነታዊ ረባሕታ፡ እቲ
ቐዳማይ ኣካል ብ "እ" ኺጅምር ከሎ፡ እቲ ሳልሳይ ኣካል ብ "ይ" እዩ ዚጅምር።
ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ከምቲ ኣብ ሓጋዚ ግሲ ኹነት ዝተራእየ ኣብዚ'ውን፤
“ ንሳቶም መጺኦም ኣ'ለዉ።”
“ መጺኣቶም ኣ'ለዉ።"

73
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

“ ኣለ’ዉታ'ምበር! ” እንተ ተባህለ ኣበሳ የብሉን።


" ንሳቶም መጺኣቶም ኣ'ለዉ/ኣ'ለዉታ " ግና ዘየድሊ ዝተደጋገመ ድርብ ብምዃኑ
ቅኑዕ ኣይኮነን።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ሓጋዚ ግሲ ኩነትን ህላወን፡ ኣብ ትሕቲ ህልዊ እዋን እዩ
ዚስራዕ። ናይዚ ኽልቲኡ ግሲ’ዚ ሕሉፍ እዋን፡ “ነበረ” ካብ ዚብል ሓጋዚ ግሲ ዝነቐለ
ሓደ ዓይነት ዝርዝር ዘሎዎ እዩ። ቀጸሉ እንሆ፤

3. ረባሕታ ግሲ “ነበረ”

ርሑቕ ሕሉፍ ቀረባ ሕሉፍ


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ነበርኩ ነበርና ነይረ ኔርና
2ይ ነበርካ ነበርኩም ኔርካ ኔርኩም
2ይ ነበርኩም „ ኔርኩም „
2ይ ነበርኪ ነበርክን ኔርኪ ኔርክን
2ይ ነበርክን „ ኔርክን „
3ይ ነበረ ነበሩ ነይሩ ነይሮም
3ይ ነበሩ „ ነይሮም „
3ይ ነበረት ነበራ ነይራ ነይረን
3ይ ነበራ „ ነይረን „

ህልዊ ግዴታዊ (ትእዛዝ)


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ እነ'ብር ንነ'ብር እንበር ንንበር
2ይ ትነ'ብር ትነብሩ ንበር ንበሩ
2ይ ትነብሩ „ ንበሩ „
2ይ ትነብሪ ትነብራ ንበሪ ንበራ
2ይ ትነብራ „ ንበራ „
3ይ ይነ'ብር ይነብሩ ይንበር ይንበሩ
3ይ ይነብሩ „ ይንበሩ „

74
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

3ይ ትነ'ብር ይነብራ ትንበር ይንበራ


3ይ ይነብራ „ ይንበራ „

እቲ ርሑቕን ቀረባን ሕሉፍ ናይ ግሲ ነበረ፡ ነቲ ናይ ኵነትን ህላወን ሓጋዚ ግሲ


በብ'ቲ ዚእምቶ ግዜ የገልግል፤ ማለት ቀረባን ርሑቕን ሕሉፍ ናይ ኵነትን ህላወን
ሓጋዚ ግሲ ኾይኑ ይዝውተር። እዚ ሓጋዚ ግሲ'ዚ፡ ካብቲ “ነበረ” ማለት፡ ተቐመጠ
ወይ ሰፈረ ዝትርጉሙ ግሲ ዝነቐለ ምዃኑ ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ። እቲ ህልውን
ግድነታውን ረባሕታ፡ ነዚ ትርጕም'ዚ እዩ ዚውክል።ንኣብነት፤

ስድራይ ኣብ ዓዲ ይነብሩ።
ኤርትራ ንዘልዓለም ትንበር!
ይንበር ኣይንበር ኣይተፈልጠን።

ኣዘወታትራ ሓጋዚ ግስን መሳንይቱን፣

ኩነት ህላወ
ስራሐይ ወዲአ እየ። ስራሐይ ወዲአ ኣለኹ።
ስራሐይ ወዲአ እየ ነይረ። ስራሐይ ወዲአ ነይረ።
ስራሐይ ወዲአ እየ ዝነበርኩ። ስራሐይ ወዲአ ነበርኩ።
ስራሐይ ክውድእ ቀሪበእየ ስራሐይ ክውድእ ቀሪበነይረ
ወዘተ...
ኣጠቓቕማ ናይ ሓጋዚ ግሲ ኣብ ትግርኛ፡ ካብቲ ናይ እንግሊዝኛ ወይ ካልእ ቋንቋ
ኣዝዩ ዝተፈልየ ባህርን ሕግን ዘሎዎ ምዃኑ፡ በዚ ኣብነት'ዚ ምስትብሃል ይክኣል። ከምቲ
ናይ እንግሊዝኛ፡ ግሲ “ምዃን” (Verb to be) ወይ ግሲ “ምህላው” (Verb to
have) ተባሂሉ ብናቱ ሕጊ ኺስራዕ ምስ ዚፍተን ድማ ዝተፋለሰ ውጽኢት እዩ ዚህብ።

፬. ናይ ሌጣ ግሲ ሓጋዚ ግሲ
ናይ ሌጣ ግሲ ሓጋዚ ግሲ፡ ካብቲ “በለ” ዚብል ገቢር ዝነቐለ፡
ምስ ሌጣ ግሲ ብድሕሪት ብምእታው ዚዝውተር እዩ።ማለት፤ ሌጣ ግሲ + ሓጋዚ ግሲ
በለ

75
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ረባሕታ ሓጋዚ ግሲ "በለ"


(ሀ) ብገቢር ኪረብሕ ከሎ፤
ርሑቕ ሕሉፍ ቀረባ ሕሉፍ
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ በልኩ በልና ኢለ ኢልና
2ይ በልካ በልኩም ኢልካ ኢልኩም
2ይ በልኩም „ ኢልኩም „
2ይ በልኪ በልክን ኢልኪ ኢልክን
2ይ በልክን „ ኢልክን „
3ይ በለ በሉ ኢሉ ኢሎም
3ይ በሉ „ ኢሎም „
3ይ በለት በላ ኢላ ኢለን
3ይ በላ „ ኢለን „
ህ'ልዊ እዋን ግዴታዊ (ትእዛዝ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ እብል ንብል እበል ንበል
2ይ ትብል ትብሉ በል በሉ
2ይ ትብሉ „ በሉ „
2ይ ትብሊ ትብላ በሊ በላ
2ይ ትብላ „ በላ „
3ይ ይብል ይብሉ ይበል ይበሉ
3ይ ይብሉ „ ይበሉ „
3ይ ትብል ይብላ ትበል ይበላ
3ይ ይብላ „ ይበላ „

(ለ) ብኣግብሮ ኺረብሕ ከሎ፤

ርሑቕ ሕሉፍ ቀረባ ሕሉፍ


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ

76
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

1ይ ኣ'በልኩ ኣ'በልና ኣ'ቢለ ኣ'ቢልና


2ይ ኣ'በልካ ኣ'በልኩም ኣ'ቢልካ ኣ'ቢልኩም
2ይ ኣ'በልኩም „ ኣ'ቢልኩም „
2ይ ኣ'በልኪ ኣ'በልክን ኣ'ቢልኪ ኣ'ቢልክን
2ይ ኣ'በልክን „ ኣ'ቢልክን „
3ይ ኣ'በለ ኣ'በሉ ኣ'ቢሉ ኣ'ቢሎም
3ይ ኣ'በሉ „ ኣ'ቢሎም „
3ይ ኣ'በለት ኣ'በላ ኣ'ቢላ ኣ'ቢለን
3ይ ኣ'በላ „ ኣ'ቢለን „

ህ'ልዊ እዋን ግዴታዊ (ትእዛዝ)


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ አ'ብል ነ'ብል አ'ብል ነ'ብል
2ይ ተ'ብል ተ'ብሉ ኣ'ብል ኣ'ብሉ
2ይ ተ'ብሉ „ ኣ'ብሉ „
2ይ ተ'ብሊ ተ'ብላ ኣ'ብሊ ኣ'ብላ
2ይ ተ'ብላ „ ኣ'ብላ „
3ይ የ'ብል የ'ብሉ የ'ብል የ'ብሉ
3ይ የ'ብሉ „ የ'ብሉ „
3ይ ተ'ብል የ'ብላ ተ'ብል የ'ብላ
3ይ የ'ብላ „ የ'ብላ „

(ሀ) ዝምድና ሓረጋዊ ግስን ሌጣ ግስን ሓጋዚ ግስን፣

ሓረ/ግሲ *ሌጣ ግሲ + ሓጋ/ግሲ

ጠወየ ጥውይ ኣ'በለ


ኣከበ (ይእክብ) እ'ክብ ኣበለ/የብል
ዓጸፈ (ተዓጽፈ/ኣዕጸፈ) ዕጽፍ ኣበለ/በለ
ሓንከሰ (እናሓንከሰ) ሕንክስ በለ/እ'ናበለ

77
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ተዀርመየ (ተ/ኣዀርምዩ) ኵርምይ በለ/ኢሉ


ተዘባዘበ (እናተዘባዘበ) ዘብዘብ በለ/እ’ና'በለ
በተነ (ይብተን ነበረ) ብ'ትን ኣበለ/ይብል ነበረ
ወሰደ (እናወሰደ ኸሎ) ውስድ ኣበለ/ኬ'ብል ከሎ
* ቃለ-ኣጋንኖኣዊ ግሲ ሌጣ ግሲ ተባሂሉ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ኣሎ። (ለ) ካብ ድምጺ
ወይ ካልእ ኣጋንኖኣዊ ቓል ዝነቐለ፤
ፋሕ በለ ፈሽ በለ ጐጽ ኣ'በለ ቡጭ በለ
ኳሕ ኣ'በለ ውሕ በለ ዓነው ኣ'በለ ሸረር የ'ብል
ማሕ በለ ዋይ ኣ'በለ ሓሸም ይብል ምሊሕ በለ
ጺጽ ኢሉ ኡይ ኬ'ብል ተጕ እ'ናበለ ቀስ እ'ና'በለ
ሻሕ እ'ናበለ ሸታሕ ኣ'በለ ሂም ይብል ሰለል ኣ'በለ
ዕንክሊል ዜ'ብል ሸዀርተት ትብል ኪሕ ዚብል ማርማር በለ

እቲ ቐዳማይ ቃለ-ኣንክሮ ሓደው ሌጣ ግሲ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ተኸታሊኡ ሓጋዚ ግሲ


እዩ።

፭. ተወሳኺ ሓጋዚ ግሲ፡

ከም ሓጋዚ ግሲ ኾይኑ ንዝተፈላለየ ጓዛ ዓንቀጽ ንምዝዛም ዜገልግል ንቡር ወይ ተራ


ግሲ'ውን ኣሎ።

ኪጠራጠር ጸንሐ። ዜድልዮ ኾነ።


ኪመውት ደለየ። ንምባል የድፍር።
ኬምልጥ ሓሰበ። ኪላባዕ ጀመረ።
ኪፈርስ ቀረበ። ኪበጽሕ ከኣለ።
ኪፈልጥ ይግባእ። ኪህብ ተደናደነ።
ኪነቓነቕ ኣትሓዘ (ጀመረ)።ንምብላዕ ተወናወነ።ወዘተ…
*ጸንሐ፡ ደለየ፡ ሓሰበ፡ ወዘተ ሓጋዚ ግሲ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ብቕድሚኡ ዘሎ ግና ጓዛ
ግሲ እዩ። ጓዛ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ ንበይኑ ኺቐውም ስለ ዘይክእል እዩ። እዚ
ሓጋዚ ግስ'ዚ፡ ብንጽልን ብድርብን ብዝተፈላለየ ጾታን ኣካልን ይዝውተር። ዝተወሳሰበ
ኣሰዃዅዓ ግሲ ዅነትን ህላወን፣ ግስታት “ኩነት”፡ “ህላወ”፡ “በለ” ከምኡ ድማ ካልእ

78
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ከምኡ ዝተግባሩ ግሲ እናተበራረየ ብምስራዕ ዝተፈላለየ ትርጉም ዚህብ ሓረጋትን


ዓረፍተ ነገራትን ንምቛም ይዝውተር።

፩. “ኩነት” ምስ “ህላወ”

ሀ) እሰርሕ እየ ዘለኹ። (ለ) ዝሰርሕ ዘለኹ እየ።


ንውጥን ኢና ዘለና። እንውጥን ዘለና ኢና።
ይሰፍያ እየን ነይረን። ይሰፍያ ነይረን እየን።
ትጽበያ ኢኽን ኔርክን። ትጽበያ ኔርክን ኢኽን።

ንኣብነት፣
እንታይ ትገብር ኣለኻ?
እሰርሕ’የዘለኹ ንስኻ መን ኢኻ?
ኣብዚ ትካል ዝሰርሕ ዘለኹ’የ

፪. “ኩነት” ምስ ናይ ሌጣ ግስን ሓረጋዊ ቕጽልን፣

(ሀ) ፍንጭሕ እየ ዝበልኩ። ለ) ንጥፍ ዝበሉእዮም።


ኵርምይ እዩ ኢሉ። ድፍንዕ ኢሉእዩ።
ስንብድ ኢና እንብል። ምጭው ትብልእያ።
ሽዑኸመይተሰምዓካ? ፍንጭሕ እየ ዝበልኩ።
ከመይዝበሉእዮም ንጥፍ ዝበሉ እዮም።
* እቲኣብ(ሀ) ምስ ሓጋዚ ግሲ ዅነት ዝተሰርዐ ሌጣ ግሲ ኺኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብ (ለ)
ምስ ግሲ ዅነት ዝተሰርዐ ሓረጋዊ ቕጽል እዩ።

፫. “ህላወ” ምስ ዝተፈላለየ ሓጋዚ ግሲ

(ሀ)
ክትሰርሕ ጸኒሓ ኣላ።
ሰለይ ይብል ኣሎ።
ክዕወት ቀሪበ ነይረ።
ኪኸይድ ሓሲቡ ነይሩ።

79
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ጽውግ ይብሉ ነበሩ።


ንኣብነት፣
ክሳዕ ሕጂ ኽትሰርሕ ጸኒሓ’ላ።
ኣብኡ፡ ሰለይ ይብል ኣሎ። ወዘተ…
(ለ)
ጕህይ ኢለ ኣለኹ።
ክንፈልጦ ይግባእ ነይሩ።
ቀስ ትብላ ኔርክን።
ኪኣቱ ተደናዲኑ ነበረ።
ኪንዛሕ ጀሚሩ ኣሎ።
ንኣብነት፣
እንኹልካ ሕርር ኢለ’ለኹ ’ምበር።
ግደ ሓቅስ፡ ክንፈልጦ ይግባእ ነይሩ።
እወ፡ ቀስ ትብላ ኔርክን።
ሽዑ ኺኣቱ ተደናዲኑ ነበረ።
ወረ ኺንዛሕ ጀሚሩ’ሎ።

፬. “ኩነት” ምስ ካልእ ናይ ሓጋዚ ተራ ዘሎዎ ግሲ፡

(ሀ) (ሐ)
ክሰርሕ እየ ጸኒሐ። ክሰርሕ ጸኒሐ እየ።
ክንውጥን ኢና ጀሚርና። ክንውጥን ጀሚርና ኢና።
ኪሰፍያ እየን ደልየን። ኪሰፍያ ደልየን እየን።
ኪዛዘም እዩ ቐሪቡ። ኪዛዘም ቀሪቡ እዩ።
(ለ) (መ)
ክሰርሕ እየ ጸኒሐ ዘለኹ/ነይረ። ክሰርሕ ጸኒሐ እየ ዘለኹ/ነይረ።
ክንውጥን ኢና ጀሚርና ዘለና/ኔርና። ክንውጥን ጀሚርና ኢና ዘለና/ኔርና።
ኪሰፍያ እየን ደልየን ዘለዋ/ነይረን። ኪሰፍያ ደልየን እየን ዘለዋ/ነይረን።
ኪዛዘም እዩ ቐሪቡ ዘሎ/ነይሩ። ኪዛዘም ቀሪቡ እዩ ዘሎ/ነይሩ ወዘተ…

*ግሲ “ኩነት” ሓደ ነገር ኣቐዲሙ ኸም ዝኾነ ወይ ከም ዝተፈጸመ ዜውክእ (ዚዝክር)


ወይ ዜጣልል ኪኸውን ከሎ፡ ግሲ “ህላወ” ድማ ሓደ ፍጻመ ወይ ኵነት ከም ዝተኸስተ

80
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ወይ ዘሎ ዚሕብር እዩ። ክልቲኡ ግሲ ከከም እቲ ሕጊ ሰዋስው ዜፍቅዶ፡ ርእሱ ኽኢሉ


ወይ ከም ሓጋዚ ኾይኑ ኣብ ዓረፍተ ነገር ኪኣቱ ይኽእል።

ወናኒ ግሲ፡
እዚ ኽፋል'ዚ፡ ካብ ግሲ “ህላወ”፡ ህልዊ-እዋን፡ ወይ ድማ ካብ ግሲ "ነበረ"፡ ተባዕታይ
ወይ ኣንስታይ ጾታ፡ ዝነቐለ፡ ብድሕረኡ ተለቃቢ ተውላጠስም እናተወስኸሉ ዚረብሕ
ው'ነ'ና ዚሕብር ግሲ እዩ። ብጀካ'ዚ፡ ከም ሓጋዚ ግሲ ድማ ይዝውተር። እዚ ዚቕጽል
ኣብነታት ንሳልሳይ ኣካል፡ ንጽል ወይ ድርብ ንኽልተኡ ጾታ ኣብ ግምት ብምእታው
ዝተዘርዘረ ረባሕታ እዩ፤

ረባሕታ ናይ ወናኒ ግሲ፤

(ሀ) ህልዊ-እዋን (ኣ'ሎ/ኣ'ለዉ + ተለቃቢ ተውላጠስም)

ንተባዕታይ ንጽል ነገር ንተባዕታይ ድርብ ነገር


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ኣ’ሎ'ኒ ኣ’ሎ'ና ኣ'ለዉኒ ኣ'ለዉና
2ይ ኣ’ሎ'ካ ኣ'ሎ'ኩም ኣ'ለዉኻ ኣ'ለዉኹም
2ይ ኣ'ሎ'ኩም „ ኣ'ለዉኹም „
2ይ ኣ’ሎ'ኪ ኣ’ሎ'ክን ኣ'ለዉኺ ኣ'ለዉኽን
2ይ ኣ’ሎ'ክን „ ኣ'ለዉኽን „
3ይ ኣ’ሎ'ዎ ኣ’ሎ'ዎም ኣ'ለዉዎ ኣ'ለዉዎም
3ይ ኣ’ሎ'ዎም „ ኣ'ለዉዎም „
3ይ ኣ’ሎ'ዋ ኣ’ሎ'ወን ኣ'ለዉዋ ኣ'ለዉወን
3ይ ኣ’ሎ'ወን „ ኣ'ለዉወን „

ግዴታ(ትእዛዝ)

ንተባዕታይ ንጽል ነገር ንተባዕታይ ድርብ ነገር


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ይሃ‘ሉወኒ ይሃ‘ሉወና ይሃ‘ሉዉኒ ይሃ'ልዉና

81
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

2ይ ይሃ'ሉኻ ይሃ'ሉኹም ይሃ'ልዉኻ ይሃ'ልዉኹም


2ይ ይሃ'ሉኹም „ ይሃ'ልዉኹም „
2ይ ይሃ'ሉኺ ይሃ'ሉኽን ይሃ'ልዉኺ ይሃ'ልዉኽን
2ይ ይሃ'ሉኽን „ ይሃ'ልዉኽን „
3ይ ይሃ‘ሉዎ ይሃ‘ሉ'ዎም ይሃ'ልዉዎ ይሃ'ልዉዎም
3ይ ይሃ‘ሉዎም „ ይሃ'ልዉዎም „
3ይ ይሃ‘ሉዋ ይሃ‘ሉ'ወን ይሃ'ልዉዋ ይሃ'ልዉወን
3ይ ይሃ‘ሉወን „ ይሃ'ልዉወን „

*ኣብቲ ብዓዲ "ወ“ ዚጅምር ተለቃቢ ተውላጠ ስም፡ እቲ ቐቅድመኡ ዚመጽእ ካዕብ
ፊደል ናብ ሳድስ ከም ዘይተለወጠ ኣስተብህል። ኣብ ንባብ ግና ላዛ ንምሕላው ብሳድስ
ይድመጽ።
(ለ) ህልዊ-እዋን (ኣ'ላ/ኣ'ለዋ + ተለቃቢ ተውላጠስም)

ንኣንስታይ ንጽል ነገር ንኣንስታይ ድርብ ነገር


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ኣ’ላት'ኒ ኣ’ላት'ና ኣ'ለዋኒ ኣ'ለዋና
2ይ ኣ’ላት'ካ ኣ’ላት'ኩም ኣ'ለዋኻ ኣ'ለዋኹም
2ይ ኣ’ላት'ኩም „ ኣ'ለዋኹም „
2ይ ኣ’ላት'ኪ ኣ’ላት'ክን ኣ'ለዋኺ ኣ'ለዋኽን
2ይ ኣ’ላት'ክን „ ኣ'ለዋኽን „
3ይ ኣ’ላ'ቶ ኣ’ላ'ቶም ኣ'ለዋኦ ኣ'ለዋኦም
3ይ ኣ’ላ'ቶም „ ኣ'ለዋኦም „
3ይ ኣ’ላ'ታ ኣ’ላ'ተን ኣ'ለዋኣ ኣ'ለዋአን
3ይ ኣ’ላ'ተን „ ኣ'ለዋአን „

ግዴታ(ትእዛዝ)

ንኣንስታይ ንጽል ነገር ንኣንስታይ ድርብ ነገር


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ

82
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

1ይ ትሃ'ልወኒ ትሃ‘ሉወና ይሃ'ልዋኒ ይሃ'ልዋና


2ይ ትሃ'ሉኻ ትሃ'ሉኹም ይሃ'ልዋኻ ይሃ'ልዋኹም
2ይ ትሃ'ሉኹም „ ይሃ'ልዋኹም „
2ይ ትሃ'ሉኺ ትሃ'ሉኽን ይሃ'ልዋኺ ይሃ'ልዋኽን
2ይ ትሃ'ሉኽን „ ይሃ'ልዋኽን „
3ይ ትሃ‘ሉዎ ትሃ‘ሉዎም ይሃ'ልዋኦ ይሃ'ልዋኦም
3ይ ትሃ‘ሉዎም „ ይሃ'ልዋኦም „
3ይ ትሃ‘ሉዋ ትሃ‘ሉወን ይሃ'ልዋኣ ይሃ'ልዋአን
3ይ ትሃ‘ሉወን „ ይሃ'ልዋአን „

(ሐ) ግሲ “ነበረ" + ተለቃቢ ተውላጠስም፡

ንተባዕታይ ንጽል፤
ርሑቕ ሕሉፍ ቀረባ ሕሉፍ
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ነበረ'ኒ ነበረ'ና ነይሩ'ኒ ነይሩ'ና
2ይ ነበረ'ካ ነበረ'ኩም ነይሩ'ካ ነይሩ'ኩም
2ይ ነበረ'ኩም „ ነይሩ'ኩም „
2ይ ነበረ'ኪ ነበረ'ክን ነይሩ'ኪ ነይሩ'ክን
2ይ ነበረ'ክን „ ነይሩ'ክን „
3ይ ነበሮ ነበሮም ነይሩ'ዎ ነይሩ'ዎም
3ይ ነበሮም „ ነይሩ'ዎም „
3ይ ነበራ ነበረን ነይሩ'ዋ ነይሩ'ወን
3ይ ነበረን „ ነይሩ'ወን „

ንኣንስታይ ንጽል፤

ርሑቕ ሕሉፍ ቀረባ ሕሉፍ


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ነበረት'ኒ ንበረት'ና ነይራት'ኒ ነይራት'ና

83
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

2ይ ነበረት'ካ ነበረት'ኩም ነይራት'ካ ነይራት'ኩም


2ይ ነበረት'ኩም „ ነይራት'ኩም „
2ይ ነበረት'ኪ ነበረት'ክን ነይራት'ኪ ነይራት'ክን
2ይ ነበረት'ክን „ ነይራት'ክን „
3ይ ነበረ'ቶ ነበረ'ቶም ነይራ'ቶ ነይራ'ቶም
3ይ ነበረ'ቶም „ ነይራ'ቶም „
3ይ ነበረ'ታ ነበረ'ተን ነይራ'ታ ነይራ'ተን
3ይ ነበረ'ተን „ ነይራ'ተን „

ንተባዕታይ ድርብ፤

ርሑቕ ሕሉፍ ቀረባ ሕሉፍ


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ነበሩኒ ነበሩና ነይሮሙኒ ነይሮሙና
2ይ ነበሩኻ ነበሩኹም ነይሮሙኻ ነይሮሙኹም
2ይ ነበሩኹም „ ነይሮሙኹም „
2ይ ነበሩኺ ነበሩኽን ነይሮሙኺ ነይሮሙኽን
2ይ ነበሩኽን „ ነይሮሙኽን „
3ይ ነበሩዎ ነበሩዎም ነይሮሙዎ ነይሮሙዎም
3ይ ነበሩዎም „ ነይሮሙዎም „
3ይ ነበሩዋ ነበሩወን ነይሮሙዋ ነይሮሙወን
3ይ ነበሩወን „ ነይሮሙወን „

ንኣንስታይ ድርብ፤

ርሑቕ ሕሉፍ ቀረባ ሕሉፍ


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ነበራኒ ነበራና ነይረናኒ ነይረናና
2ይ ነበራኻ ነበራኹም ነይረናኻ ነይረናኹም
2ይ ነበራኹም „ ነይረናኹም „

84
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

2ይ ነበራኺ ነበራኽን ነይረናኺ ነይረናኽን


2ይ ነበራኽን „ ነይረናኽን „
3ይ ነበራኦ ነበራኦም ነይረናኦ ነይረናኦም
3ይ ነበራኦም „ ነይረናኦም „
3ይ ነበራኣ ነበራአን ነይረናኣ ነይረናአን
3ይ ነበራአን „ ነይረናአን „

ግዴታ(ትእዛዝ) ንኽልተኡ ጾታ፤

ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ


1ይ ይንበረ'ኒ ይንበረ'ና ትንበረ'ኒ ትንበረ'ና
2ይ ይንበረ'ካ ይንበረ'ኩም ትንበረ'ካ ትንበረ'ኩም
2ይ ይንበረ'ኩም „ ትንበረ'ኩም „
2ይ ይንበረ'ኪ ይንበረ'ክን ትንበረ'ኪ ትንበረ'ክን
2ይ ይንበረ'ክን „ ትንበረ'ክን „
3ይ ይንበ'ሮ ይንበ'ሮም ትንበ'ሮ ትንበ'ሮም
3ይ ይንበ'ሮም „ ትንበ'ሮም „
3ይ ይንበ'ራ ይንበ'ረን ትንበ'ራ ትንበ'ረን
3ይ ይንበ'ረን „ ትንበ'ረን „

ኣጣራጣሪ ዋንነት፡ ንተባዕታይ ንጽል፤

ህልዊ-እዋን፡ ሕሉፍ እዋን


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ይህ‘ሉወ'ኒ ይህ‘ሉወ'ና ይነብረ'ኒ ይነብረ'ና
2ይ ይህ‘ሉወ'ካ ይህ‘ሉወ'ኩም ይነብረ'ካ ይነብረ'ኩም
2ይ ይህ‘ሉወ'ኩም „ ይነብረ'ኩም „
2ይ ይህ‘ሉወ'ኪ ይህ‘ሉወ'ክን ይነብረ'ኪ ይነብረ'ክን
2ይ ይህ‘ሉወ'ክን „ ይነብረ'ክን „
3ይ ይህ‘ሉዎ ይህ‘ሉዎም ይነብሮ ይነብሮም

85
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

3ይ ይህ‘ሉዎም „ ይነብሮም „
3ይ ይህ‘ሉዋ ይህ‘ሉወን ይነብራ ይነብረን
3ይ ይህ‘ሉወን „ ይነብረን „
*ብተመሳሳሊ ኣገባብ ንንጽል ኣንስታይ (ትህልወኒ፡ ትህልወካ፡ ትህልዎ፡ ወዘተ. ወይ
ትነብረኒ፡ ትነብረካ፡ ትነብሮ፡ ወዘተ.) ከምኡውን ነቲ ዝተረፈ ብዝሕን ጾታን (ይህሉዉኒ፡
ይህልዉኻ፡ ይህልውዎ፡ ወዘተ... ይህልዋኒ፡ ይህልዋኻ፡ ይህልዋእ፡ ወዘተ... ይነብረኒ፡
ይነብረካ፡ ይነብሮ፡ ወዘተ... እናተባህለ)
ብዝተፈላለየ ግዜ ኪረብሕ ይኽእል።
ኣመልካቲ ወናኒ ግሲ ፣ ካብ ኣመልካቲ ተውላጠስም (እንሆ/እንሃ) ዝነቐለ፣ እንሆ/እንሃ
+ ተለቃቢ ተውላጠስም
ንተባዕታይ ንኣንስታይ
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ እ'ንሆ'ኒ እ'ንሆ'ና እ'ንሃት'ኒ እ'ንሃት'ና
2ይ እ'ንሆ'ካ እ'ንሆ'ኩም እ'ንሃት'ካ እ'ንሃት'ኩም
2ይ እ'ንሆ'ኩም „ እ'ንሃት'ኩም „
2ይ እ'ንሆ'ኪ እ'ንሆ'ክን እ'ንሃት'ኪ እ'ንሃት'ክን
2ይ እ'ንሆ'ክን „ እ'ንሃት'ክን „
3ይ እ'ንሆ'ዎ እ'ንሆ'ዎም እ'ንሃ'ቶ እ'ንሃ'ቶም
3ይ እ'ንሆ'ዎም „ እ'ንሃ'ቶም „
3ይ እ'ንሆ'ዋ እ'ንሆ'ወን እ'ንሃ'ታ እ'ንሃ'ተን
3ይ እ'ንሆ'ወን „ እ'ንሃ'ተን „

እዚ ረባሕታ'ዚ ናይ ዋንነት ግሲ ምዃኑ ንምርግጋጽ ምትንታኑ ምስ ዜድሊ ኸምዚ


ዚስዕብ ውጽኢት ይህብ። ንኣብነት፤

ካብ ነበረኒ እንሆኒ (ብሂል)። ሓንቲ ላሕሚ እንሃትኒ። ወዘተ...


እንሆኒ = እንሆ ኣሎኒ = "ኣሎኒ" ናይ ዋንነት ግሲ እዩ። እንሃትኒ = እንሃ ኣላትኒ =
"ኣላትኒ" " " " ወዘተ...

86
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ካብ ግሲ “ህላወ” ከምኡ'ውን ካብ ግሲ “ነበረ” ዝተበገሰ ሓጋዚ ግሲ፡ ግቡእ ወይ ግደታ


ንምግላጽ’ውን ይዝውተር እዩ። ንኣብነት፤
ስራሕካ ብሸዓ ኽትውድእ ኣ'ሎ'ካ።
ስራሑ ብሸዓ ኺውድእ ነበሮ።
ዕማምና ብሸዓ ኽንውድእ ነይሩና።

ረባሕታ ግሲ “ገበረ”

ርሑቕ ሕሉፍ ቀረባ ሕሉፍ


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ገበርኩ ገበርና ገይረ ጌርና
2ይ ገበርካ ገበርኩም ጌርካ ጌርኩም
2ይ ገበርኩም „ ጌርኩም „
2ይ ገበርኪ ገበርክን ጌርኪ ጌርክን
2ይ ገበርክን „ ጌርክን „
3ይ ገበረ ገበሩ ገይሩ ገይሮም
3ይ ገበሩ „ ገይሮም „
3ይ ገበረት ገበራ ገይራ ገይረን
3ይ ገበራ „ ገይረን „

ህ'ልዊ ግዴታዊ (ትእዛዝ)


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ እገብር ንገብር እግበር ንግበር
2ይ ትገብር ትገብሩ ግበር ግበሩ
2ይ ትገብሩ „ ግበሩ „
2ይ ትገብሪ ትገብራ ግበሪ ግበራ
2ይ ትገብራ „ ግበራ „
3ይ ይገብር ይገብሩ ይግበር ይግበሩ
3ይ ይገብሩ „ ይግበሩ „
3ይ ትገብር ይገብራ ትግበር ይግበራ

87
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

3ይ ይገብራ „ ይግበራ „

*ምስ ተለቃቢ ተውላጠስም ኪረብሕ ይኽእል። ንኣብነት፡ ገበረለይ፡ ገበረልካ፡ ወዘተ…


ጌርካለይ፡ ጌርኩምልና፡ ወዘተ… ትገብሩልና ትገብራሎም፡ ወዘተ…

ረባሕታ ግሲ "ኮነ“ (ከወነ)

ርሑቕ ሕሉፍ ቀረባ ሕሉፍ


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ኮንኩ ኮን'ና ኮይነ ኴን'ና
2ይ ኮንካ ኮንኩም ኴንካ ኴንኩም
2ይ ኮንኩም „ ኴንኩም „
2ይ ኮንኪ ኮንክን ኴንኪ ኴንክን
2ይ ኮንክን „ ኴንክን „
3ይ ኮነ ኮኑ ኮይኑ ኮይኖም
3ይ ኮኑ „ ኮይኖም „
3ይ ኮነት ኮና ኮይና ኮይነን
3ይ ኮና „ ኮይነን „

*ኣብ ቀረባ ሕሉፍ፡ እቲ ሳብእ ዝጸንሐ "ኮ" ኣብ ቀዳማይ ኣካል ድርብን ኣብ ኩሉ


ካልኣይ ኣካልን ናብ ሓምስ "ኴ" ኸም ዚልወጥ ኣስተብህል።

ህ'ልዊ-እዋን ግዴታ(ትእዛዝ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ እኸውን ንኸውን እኹን ንኹን
2ይ ትኸውን ትኾኑ ኩን ኩኑ
2ይ ትኾኑ „ ኩኑ „
2ይ ትኾኒ ትኾና ኩኒ ኩና
2ይ ትኾና „ ኩና „
3ይ ይኸውን ይኾኑ ይኹን ይኹኑ

88
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

3ይ ይኾኑ „ ይኹኑ „
3ይ ትኸውን ይኾና ትኹን ይኹና
3ይ ይኾና „ ይኹና „

እዚ ረባሕታታት’ዚ ብግደኡ ምስ ተለቃቢ ተውላጠስም’ውን ኪዝውተር ይኽእል እዩ።


ማለት፤ "ኮንኩልካ፡ ኮንኩሉ... ኮነለይ፡ ኮነልካ፡... ኮንኩምለይ፡... ኮናልኩም... ኮነሉ፡...
ኮነትለይ፡ ኮነትልካ፡ ኮነትሉ… ኮይኑለይ፡ ኮይነልካ፡ ኮይኑሉ፡... ኮይናትለይ፡ ኮይናትልካ፡
ኮይናትሉ… ይኾነለይ፡ ይኾነልካ፡ ይኾነሉ፡ ወዘተ…"

ረባሕታ ግሲ "ቆመ“ (ቀወመ)፣

ርሑቕ ሕሉፍ ቀረባ ሕሉፍ


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ቆምኩ ቆምና ቆይመ ቌምና
2ይ ቆምካ ቆምኩም ቌምካ ቌምኩም
2ይ ቆምኩም „ ቌምኩም „
2ይ ቆምኪ ቆምክን ቌምኪ ቌምክን
2ይ ቆምክን „ ቌምክን „
3ይ ቆመ ቆሙ ቆይሙ ቆይሞም
3ይ ቆሙ „ ቆይሞም „
3ይ ቆመት ቆማ ቆይማ ቆይመን
3ይ ቆማ „ ቆይመን „

ህ'ልዊ-እዋን ግዴታ(ትእዛዝ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ እቐውም ንቐውም እቑም ንቑም
2ይ ትቐውም ትቖሙ ቁም ቁሙ
2ይ ትቖሙ „ ቁሙ „
2ይ ትቖሚ ትቖማ ቁሚ ቁማ
2ይ ትቖማ „ ቁማ „

89
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

3ይ ይቐውም ይቖሙ ይቑም ይቑሙ


3ይ ይቖሙ „ ይቑሙ „
3ይ ትቐውም ይቖማ ትቑም ይቑማ
3ይ ይቖማ „ ይቑማ „

*ምስ ተለቃቢ ተውላጠስም እውን ኪረብሕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ቆመለይ፡ ቆመልካ፡
ቆመሉ፡ ወዘተ… ቆይሙሉ፡ ቌምካልና፡ ቌምናሎም፡ ወዘተ… ይቖመለይ፡ ይቘመልኩም፡
ወዘተ…

ረባሕታ ግሲ “ሞተ” (መወተ)፣

ርሑቕ ሕሉፍ ቀረባ ሕሉፍ


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ሞትኩ ሞትና ሞይተ ሜትና
2ይ ሞትካ ሞትኩም ሜትካ ሜትኩም
2ይ ሞትኩም „ ሜትኩም „
2ይ ሞትኪ ሞትክን ሜትኪ ሜትክን
2ይ ሞትክን „ ሜትክን „
3ይ ሞተ ሞቱ ሞይቱ ሞይቶም
3ይ ሞቱ „ ሞይቶም „
3ይ ሞተት ሞታ ሞይታ ሞይተን
3ይ ሞታ „ ሞይተን „

ህ'ልዊ-እዋን ግዴታ(ትእዛዝ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ እመውት ንመውት እሙት ንሙት
2ይ ትመውት ትሞቱ ሙት ሙቱ
2ይ ትሞቱ „ ሙቱ „
2ይ ትሞቲ ትሞታ ሙቲ ሙታ
2ይ ትሞታ „ ሙታ „

90
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

3ይ ይመውት ይሞቱ ይሙት ይሙቱ


3ይ ይሞቱ „ ይሙቱ „
3ይ ትመውት ይሞታ ትሙት ይሙታ
3ይ ይሞታ „ ይሙታ „

ኣረባብሓ ግሲ 'ገበረ'፡ “ኮነ”፡ “ቆመ”፡ “ሞተ” ተመሳሳሊ ምዃኑ ምስትብሃል የድሊ።


ብፍላይ ድማ ኣብ ቀረባ ሕሉፍ "ጌርና፡ ኴንኪ፡ ቌምኩም፡ ሜትክን ወዘተ..." ብሓምስ
ድምጺ ዚጅምር ኣረባብሓ ንተመሳሳልነቱ ዝያዳ ዜጕልሕ እዩ። ብጀካ'ዚ፡ እቲ ድርብ
ብዘይ ተውላጠስም ወይ ስም ምስ ዚዝውተር፡ እቲ ረባሕታ ፍልይ ዝበለ ድርብ
ኪዝረብን ኪጸሓፍን ይስማዕን ይንበብን እዩ። ገለ ኣብነት ንምሃብ፤
ከይትሞቱታተጠንቀቑ!ከመይኪኾኑታእዮም?

ኣዛማዲ *ግሲ

ዝኾነ *ግሲ፡ ብኣዛማዲ ተውላጠስም ተመሪሑ ምስ ዚርከብ፡ ንባዕሉ ናይ ኣዛማድነት


ባህሪ ይለብስ። በዚ ምኽንያት'ዚ፡ ኣዛማዲ *ግሲ ኺብሃል ይክኣል። ኣዛማዲ *ግሲ
እወታን ኣሉታን መልክዕ ኣሎዎ፡ ማለት እቲ ኣዛማዲ ተውላጠስም እወታ ምስ ዚኸውን፡
እወታ ኣዛማዲ፡ ኣሉታ ምስ ዚኸውን ድማ ኣሉታ ኣዛማዲ *ግሲ የቕውም። ስለዚ፤
ኣዛማዲ ተውላጠስም + ግሲ = ኣዛማዲ *ግሲ እወታ ኣዛማዲ ተውላጠስም + *ግሲ =
ዝ + እወታ *ግሲ ኣሉታ ኣዛማዲ ተውላጠስም + *ግሲ = ዝ + ኣይ + እወታ *ግሲ
= ዘይ +
እወታ *ግሲ
*ግሲ = ሓረጋዊ ግሲ
ርሑቕ ሕሉፍ (*ግሲ - ሰተየ)፤
እወታ ኣሉታ
ዝ + እወታ *ግሲ ዝ+ኣይ (ዘይ) + እወታ *ግሲ
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ዝሰተኹ ዝሰተና ዘይሰተኹ ዘይሰተና
2ይ ዝሰተኻ ዝሰተኹም ዘይሰተኻ ዘይሰተኹም
2ይ ዝሰተኹም „ ዘይሰተኹም „

91
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

2ይ ዝሰተኺ ዝሰተኽን ዘይሰተኺ ዘይሰተኽን


2ይ ዝሰተኽን „ ዘይሰተኽን „
3ይ ዝሰተየ ዝሰተዩ ዘይሰተየ ዘይሰተዩ
3ይ ዝሰተዩ „ ዘይሰተዩ „
3ይ ዝሰተየት ዝሰተያ ዘይሰተየት ዘይሰተያ
3ይ ዝሰተያ „ ዘይሰተያ „

ከምዚ ልዒሉ ዝተንተርተረ፡ ኣረባብሓ ምዱብ ግሲ ምስ እወታን ኣሉታን ግሲ ኣብ


ርሑቕ ሕሉፍ ጸገም የብሉን።
ኣብ ህልዊ እዋን ግና፡ ብዝኾነ ይኹን ኣዕማድ ኣብ ዚጽንበረሉ ግዜ፡ እቲ ኣዛማዲ
ተውላጠ ስም ንቐዳማይን ንሳልሳይን ኣካል ብዚፈሊ ኣገባብ እዩ ዚጽንበር።

ህልዊ ገቢር፤

እወታ ኣሉታ
ዝ+እወታ ገቢር ዝ+ኣይ (ዘይ)+እወታ ገቢር
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ዝጽሕፍ ዝንጽሕፍ ዘይጽሕፍ ዘይንጽሕፍ
2ይ ዝትጽሕፍ ዝትጽሕፉ ዘይትጽሕፍ ዘይትጽሕፉ
2ይ ዝትጽሕፉ „ ዘይትጽሕፉ „
2ይ ዝትጽሕፊ ዝትጽሕፋ ዘይትጽሕፊ ዘይትጽሕፋ
2ይ ዝትጽሕፋ „ ዘይትጽሕፋ „
3ይ ዚጽሕፍ ዚጽሕፉ ዘ'ይጽሕፍ ዘ'ይጽሕፉ
3ይ ዚጽሕፉ „ ዘ'ይጽሕፉ „
3ይ ዝትጽሕፍ ዚጽሕፋ ዘይትጽሕፍ ዘ'ይጽሕፋ
3ይ ዚጽሕፋ „ ዘ'ይጽሕፋ „

ብህልዊ ኣግብሮ፤

92
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

እወታ ኣሉታ
ዝ+እወታ ኣግብሮ ዝ+ኣይ(ዘይ)+ እወታ ኣግብሮ
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ዘጽሕፍ ዝነጽሕፍ ዘየጽሕፍ ዘይነጽሕፍ
2ይ ዝተጽሕፍ ዝተጽሕፉ ዘይተጽሕፍ ዘይተጽሕፉ
2ይ ዝተጽሕፉ „ ዘይተጽሕፉ „
2ይ ዝተጽሕፊ ዝተጽሕፋ ዘይተጽሕፊ ዘይተጽሕፋ
2ይ ዝተጽሕፋ „ ዘይተጽሕፋ „
3ይ ዜጽሕፍ ዜጽሕፉ ዘ'የጽሕፍ ዘ'የጽሕፉ
3ይ ዜጽሕፉ „ ዘ'የጽሕፉ „
3ይ ዝተጽሕፍ ዜጽሕፋ ዘይተጽሕፍ ዘ'የጽሕፋ
3ይ ዜጽሕፋ „ ዘ'የጽሕፋ „

ኣስተብህል፤

(ሀ) ኣካል ገቢር ዝ + ገቢር ወጽኢት


1ይ እጽሕፍ ዝ + እጽሕፍ ዝጽሕፍ
3ይ ይጽሕፍ ዝ + ይጽሕፍ ዚጽሕፍ
(ለ) ኣካል ኣግብሮ ዝ + ኣግብሮ ውጽኢት
1ይ አጽሕፍ ዝ + አጽሕፍ ዘጽሕፍ
3ይ የጽሕፍ ዝ + የጽሕፍ ዜጽሕፍ

ብዘልማድ፡ ኣዛማዲ ተውላጠስም "ዝ" ብፍላይ እቲ ብድሕሪኡ ዚስዕብ ግሲ ብዓዲ "ተ"


ዚጅምር ወይ ድማ ቀዳማይ ኣካል ድርብ ምስ ዚኸውን
(ዝተጽሕፍ፡ዝትጽሕፍ፡ዝነጽሕፍ፡ዝተጽሕፉ፡ወዘተ... ኪኸውን ዚግባእ ዝነበረ) ናብ "እ"
ተለዊጡ (እተጽሕፍ፡ እትጽሕፍ፡ እነጽሕፍ፡ እተጽሕፉ፡ ወዘተ. እናተባህለ) ዚዝውተርን
ካብዚ ልዒሉ ብመሰረት ሕጊ ሰዋስው ተዘርዚሩ ዘሎ ድማ ዝያዳ ትቐባልነት ዘሎዎ
ዚመስልን እዩ ኪብሃል ይክኣል።

ሽሕ'ኳ ኸምኡ ደኣ ይኹን'ምበር፡ እቲ ቛንቋ ሕጊ ሰዋስው ምስ ዜኽብር ጥራይ እዩ


ኣድማዒ መሳርያ ኾይኑ ኼገልግል ዚኽእል። ንኣብነት፤

93
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ዘልማዳዊ - በለዛ ኣብ እትብሃል ቍሸት ብ1953 ተወልደ።


ቅኑዕ - በለዛ ኣብ ዝትብሃል ቍሸት ብ1953 ተወልደ።
*እቲ ዘልማዳዊ ንግዜኡ ኣብ ዝርርብ እንተ ተዘውተረ ኣበሳ የብሉን፡ ኣብ ስነጽሑፍ
ግና እቲ ቕኑዕ ኪርዓም ይግባእ።

ኣዛማዲ ናይ ው'ነና ግሲ፣

እዚ ግሲ'ዚ፡ ብኣዛማዲ ተውላጠስም ዝተመርሐ ዋንነት ዜመልክት ግሲ እዩ። ስለዚ፤


(ሀ) እወታ ኣዛማዲ ተ/ስም + ህልዊ ናይ ውነና ግሲ
እወታ ናይ ውነና ግሲ = ዝ + ኣሎ + ተለቃቢ ተ/ስም ኣሉታ ናይ ውነና ግሲ =
ዝ + የብል + ተለቃቢ ተ/ስም

እወታ ግሲ ውነና ኣሉታ ግሲ ውነና


ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ዘ'ሎ'ኒ ዘ'ሎ'ና ዜብ'ለይ ዜብልና
2ይ ዘ'ሎ'ካ ዘ'ሎ'ኩም ዜብልካ ዜብልኩም
2ይ ዘ'ሎ'ኩም „ ዜብልኩም „
2ይ ዘ'ሎ'ኪ ዘ'ሎ'ክን ዜብልኪ ዜብልክን
2ይ ዘ'ሎ'ክን „ ዜብልኪ „
3ይ ዘ'ሎ'ዎ ዘ'ሎ'ዎም ዜብ'ሉ ዜብ'ሎም
3ይ ዘ'ሎ'ዎም „ ዜብ'ሎም „
3ይ ዘ'ሎ'ዋ ዘ'ሎ'ወን ዜብ'ላ ዜብ'ለን
3ይ ዘ'ሎ'ወን „ ዜብ'ለን „

መብርሂ፤

እወታ ግሲ ውነና ኣሉታ ግሲ ውነና


ዝ + ኣ'ሎ'ኒ = ዘ'ሎ'ኒ ዝ + የብ'ለይ = ዜብ'ለይ
ዝ + ኣ'ሎ'ካ = ዘ'ሎ'ካ ዝ + የብልካ = ዜብልካ
ዝ + ኣ'ሎ'ኩም = ዘ'ሎ'ኩም ዝ + የብልኩም = ዜብልኩም
ወዘተ..,

94
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ብዘልማድ ግና ኣብ ክንዲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ሰዋስው ዝተኸተለ ህልዊ ኣሉታ


ናይ ውነና ግሲ፡ ብኽልተ ኣሉታ ዝቖመ ናይ ውነና ግሲ ተራዒሙ ይዝረብን ይጽሓፍን።
እዚ ዘልማዳዊ ኣበሃህላ'ዚ፡ ኸምዚ ዚስዕብ ንምትንታኑ ይክኣል፤

ኣካል ንጽል ድርብ


1ይ ዘይ + የብ'ለይ = ዘ'የብለይ ዘይ + የብልና = ዘ'የብልና
2ይ ዘይ + የብልካ = ዘ'የብልካ ዘይ + የብልኩም = ዘ'የብልኩም
2ይ ዘይ + የብልኩም = ዘ'የብልኩም „
2ይ ዘይ + የብልኪ = ዘ'የብልኪ ዘይ + የብልክን = ዘ'የብልክን
2ይ ዘይ + የብልክን = ዘ'የብልክን „
3ይ ዘይ + የብ'ሉ = ዘ'የብሉ ዘይ + የብ'ለን = ዘ'የብሎም
3ይ ዘይ + የብ'ሎም = ዘ'የብሎም „
3ይ ዘይ + የብ'ላ = ዘ'የብላ ዘይ + የብ'ለን = ዘ'የብለን
3ይ ዘይ + የብ'ለን = ዘ'የብለን „
*"ዘይ" ኣሉታ የመልክት። "የብ'ሉ" እውን ኣሉታ ቓል እዩ ዜምሓላልፍ። ክልተኡ
ምስ ዚጽንበር እቲ ውጽኢቱ "እወታ" ይህብ። ስለዚ፡ "ዜብሉ (ዘይየብሉ)" ኪብሃል
ከሎ እቲ ሓቀኛ ትርጉሙ "ዘሎዎ" ይኸውን። ብዘልማድ ግና "ዘየሎዎ" ብዜስምዕ
እዩ ዚዝውተር። ብጀካ'ዚ እቲ ተኸታታሊ ጽንበራ ናይ "ይ" ምስ "የ" ተሪር
ድምጺ ሂቡ " ዘ'የብለይ፡ ዘ'የብልካ፡ ዘ'የብልኩም፡ ወዘተ..." ዚብል ረባሕታ ኪህብ
ምተገብአ።
(ለ) ኣሉታ ኣዛማዲ ተ/ስም + እወታ ናይ ውነና ግሲ፣
ርሑቕ ሕሉፍ ህልዊ
ዘይ+ርሑቕ ውነናዊ ግሲ ዘይ+ህልዊ ውነናዊ ግሲ
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ዘይነበረኒ ዘይነበረና ዘየ'ሎ'ኒ ዘየ'ሎ'ና
2ይ ዘይነበረካ ዘይነበረኩም ዘየ'ሎ'ካ ዘየ'ሎ'ኩም
2ይ ዘይነበረኩም „ ዘየ'ሎ'ኩም „
2ይ ዘይነበረኪ ዘይነበረክን ዘየ'ሎ'ኪ ዘየ'ሎ'ክን
2ይ ዘይነበረክን „ ዘየ'ሎ'ክን „
3ይ ዘይነበሮ ዘይነበሮም ዘየ'ሎ'ዎ ዘየ'ሎ'ዎም

95
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

3ይ ዘይነበሮም „ ዘየ'ሎ'ዎም „
3ይ ዘይነበራ ዘይነበረን ዘየ'ሎ'ዋ ዘየ'ሎ'ወን
3ይ ዘይነበረን „ ዘየ'ሎ'ወን „

ረባሕታ ምዱብ ግሲ ብመጻኢ እዋን፤

ብህልዊ-እዋን ዚረብሕ ግሲ ብቕድመኡ “ክ” ምስ ዚልቀበሉ፡ መጻኢ-እዋን የቕውም።


እዚ’ውን፡ ቀዳማይን ሳልሳይን ኣካል ብዚፈሊ መልክዕ ኪሰላሰል ይግባእ።
መጻኢ እዋን = ክ + ግሲ ህልዊ እዋን

ረባሕታ ናይ “በልዐ”፡

ገቢር ኣግብሮ
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ክበልዕ ክንበልዕ ከብልዕ ከነብልዕ
2ይ ክትበልዕ ክትበልዑ ከተብልዕ ከተብልዑ
2ይ ክትበልዑ „ ከተብልዑ „
2ይ ክትበልዒ ክትበልዓ ከተብልዒ ከተብልዓ
2ይ ክትበልዓ „ ከተብልዓ „
3ይ ኪበልዕ ኪበልዑ ኬብልዕ ኬብልዑ
3ይ ኪበልዑ „ ኬብልዑ „
3ይ ክትበልዕ ኪበልዓ ከተብልዕ ኬብልዓ
3ይ ኪበልዓ „ ኬብልዓ „
ኣካል ገቢር ኣግብሮ
1ይ ክ+እ=ክ ክ+አ=ከ
3ይ ክ+ይ=ኪ ክ+የ=ኬ
*ብመጐት፡ ኣብ ኣግብሮ "ክተብልዕ፡ ክተብልዑ፡ ክተብልዒ ወዘተ... ኪኸውን ምተገብአ።
እቲ ልዒሉ ዝተዘርዘረ ረባሕታ ብግደኡ ተለቃቢ ተውላጠ-ስም ተወሲኽዎ ኪዝውተር

96
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ይክኣል እዩ። ንኣብነት፡


ቀዳማይ ኣካል ዝበዓል ቤቱ፣ ገቢር ክበልዓካ፡ ክበልዓልካ፡ ወዘተ. . . ኣግብሮ
ከብልዓካ፡ ከብልዓልካ፡ ወዘተ. . .
ካልኣይ ኣካል ዝበዓል ቤቱ፣
ገቢር ክትበልዓኒ፡ ክትበልዓለይ፡ ክትበልዖ፡ ክትበልዓሉ፡
ክትብልዓና፡ ክትበልዓልና፡ ወዘተ. . . ኣግብሮ
ከተብልዓኒ፡ ከተብልዓለይ፡ ከተብልዖ፡ ከተብልዓሉ፡
ከተብልዓና፡ ከተብልዓልና፡ ወዘተ. . . ወዘተ. . .
ቅጥዕታት ግሲ (ዓንቀጽ)፣
ኣብ ሓደ ዓረፍተነገር ዚዝውተር ግሲ ኣርባዕተ ቕጥዒ ይኽተል። ንሱ ድማ
እዚ ዚስዕብ እዩ፤
1. ዓብዪ ዓንቀጽ 3. ንኡስ ዓንቀጽ
2. ግደታዊ ዓንቀጽ 4. ተኽእሎኣዊ ዓንቀጽ።

እዚ “ዓንቀጽ” ዚብል ስያመ፡ ንኣገባብኣ ግሲ ኣብ ቛንቋ ግእዝ ኣብ ግምት ብምእታው


ጥራይ ዝተማህዘ ስያመ ስለ ዝኾነ ኣብ ትግርኛ ዜደናግር ስእሊ ኸም ዜስዕብ
ንምስትብሃል ዜጸግም ኣይኮነን። ካብቲ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ ሰዋስው ትግርኛ ምእንቲ
ኸይፍለ ግና እቲ “ግሲ” ዚብል ቃል “ዓንቀጽ” ብዚብል ስያመ ይቐጽል ተገዲፉ ኣሎ።

፩. ዓብዪ ዓንቀጽ

እዚ ዓይነት ዓንቀጽ’ዚ፡ ብሰልስቲኡ ኣካላት፡ ብንጽልን ብድርብን፡ ብተባዕታይን


ብኣንስታይን፡ ብበበይኑ ኣዕማድ እናረብሐ፡ ንፍጻመ ወይ ንዅነት ዜንጸባርቕ
ዓረፍተነገራት የቕውም። ግዜ እናተሓለወሉ ድማ ብ“እወታ”፡ ብ”ኣሉታ”፡ ወይ
ብ”ሕቶ” ኪቐርብ ይኽእል።

እወታ ኣሉታ ሕቶ
ደብዳበ ለኣኸ። ~ ~ኣይለኣኸን። ~ ~ለኣኸዶ?
ትማሊኸይዱ። ~ ~ኣይከደን። ~ ~ከይዱዶ?
ይጓዓዝ ኣሎ። ~ኣይጓዓዝን ኣሎ። ~ይጓዓዝዶ'ሎ?
ኪኸፍል እዩ። ~ኣይኪኸፍልን እዩ ~ኪኸፍል ድዩ?

97
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

፪.ግዴታዊ (ትእዛዛዊ) ዓንቀጽ

እዚ ቕጥዕ’ዚ፡ ሓደ ነገር ኪትግበር ከም ዘሎዎ ዚነግር፡ ዜዘኻኽር፡ ዚምሕጸን፡ ዚላቦ፡


ዚልምን ወይ ዜተሓሳስብ ቃል ኮይኑ፡ ግዜ፡ ጾታ፡ ብዝሒ፡ ኣካል ብዘጠቓለለ፡ ብዝተፈላለየ
ኣዕማድ ይዝርዘር። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ትእዛዝ ናብ ካልኣይ ኣካል ዝኣንፈተ
እንተኾነ’ኳ፡ ናብቲ ዝተረፈ ኻልእ ኣካል ብዚጠቅስ ኣገባብ’ውን ኪዝውተር ይክኣል
እዩ። ንኣብነት ግሲ “ከፈለ” ምስ እንወስድ፣

እወታ፤

(ሀ) ኣካል ገቢር ተገብሮ ኣግብሮ

1ይ እኽፈል እ'ከፈል አኽፍል


2ይ ክፈል ተኸፈል ኣኽፍል
2ይ ክፈሉ ተኸፈሉ ኣኽፍሉ
2ይ ክፈሊ ተኸፈሊ ኣኽፍሊ
2ይ ክፈላ ተኸፈላ ኣኽፍላ
3ይ ይኽፈል ይ'ከፈል የኽፍል
3ይ ይኽፈሉ ይ'ከፈሉ የኽፍሉ
3ይ ትኽፈል ት'ከፈል ተኽፍል
3ይ ይኽፈላ ይ'ከፈላ የኽፍላ

ሕጊ ስለ ዝጠሓሰ መቕጽዖ ይኽፈል! ሕጊ ስለ ዝጠሓስካ መቕጽዖ ኽፈል! ሕጊ ስለ


ዝጠሓስኩ መቕጽዖ እኽፈል! ወዘተ…

*ናብ ኣሉታ ምቕያር ምስ ዜድሊ፡ ነቲ ግሲ ብቕድሚኡ “ኣይ-” ይልቀበሉ፤ እቲ ድርብ


ፊደል “ይ+የ” ዘሎዎ ሳልሳይ ኣካል ድማ “ኣ'ይኽፈል፡ ኣ'ይ'ከፈል፡ ኣ'የኽፍል”
እናተባህለ ብተሪር ይድመጽ። ብሕ'ቶ መልክዕ ንምቕራብ ምስ ዜድሊ፡ ብድሕረኡ
“ዶ” ተለቂቡሉ ብትእምርቲ ሕቶ ይድምደም።

መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ እወታ ወይ ኣሉታ ትእዛዝ፡ ስምዒት ብዝተሓወሶ ቓና ኸም


ዝተተንብሀ ንምሕባር ብትእምርቲ ኣንክሮ (!) ይስነ።

98
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ይእቶዶ ወይስ ይውጻእ?


ሓንሳእ ይዘናጋዕ ዘይትሓድጎ?
ናብቲ ደንደስ ጸድፊ ኣይትጸጋዕ!
በጃኻትኩም ዝገበርኩም ጌርኩም ኣርድይዎ!
ኣጆና ፡ ንገስግስ ደኣ!

(ለ) ብኣዕማድ ዘይፍለ፡ ንኻልኣይ ኣካል ጥራይ ዚረቍሕ፤

እንካ ንዓ ንዓናይ ኪደ'ናይ


እንኩም ንዑ ንዑናይ ኪዱናይ
እንኪ ንዒ ንዕናይ ኪ'ድናይ
እንክን ንዕነ ንዓናይ ኪዳናይ

(ሐ) ኣንክሮኣዊ፤

ሃየ! ተላይ! ሃየ በል! ተሎ በል! ሃየ በላ! ተሎ በላ!

፫. ንኡስ ዓንቀጽ

እዚ ዓንቀጽ እዚ፡ ንበይኑ ኸም መእሰሪ ዘይዝውተር ካብ ግሲ ዝነቐለ ኾይኑ፡ በዚ ዚስዕብ


ዝርዝር ክፋላት ይፍለ።

(ሀ) ኣርእስታዊ ዓንቀጽ፤

ምስራሕ ንኣእምሮ የብስሎ።


“ምስራሕ” ኣርእስታዊ ግሲ ወይ ዓንቀጽ እዩ።
*ምብላዕ፡ ምስታይ፡ ምጽሓፍ፡ ወዘተ… እናተባህለ ካልእ ኣብነት ኪውሃብ ይክኣል።

(ለ) ቦዝ ዓንቀጽ፤

99
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣብ ትግርኛ፡ ገሊኡ ኻብዚ ዓንቀጻት'ዚ፡ ከከም ኣተኣታትዋኡ ብቦዝ ሓደው ብቐረባ


ሕሉፍ ከም መዛዘሚ ኸም ዚኣቱ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ቕጥዕ'ዚ ግና ወትሩ
ብቦዝ መልክዕ እዩ ዚኣቱ።
ናብ ዓዲ ገይሹ ተመልሰ።
ጥዕናኡ ኺምለስ ጀመረ።
ገዝኡ ተሰሪቑ ጸንሖ።
ዚጽዕር ይዕወት።
ኣብ ኣስመራ ይሰርሕ ነበረ።
ተሓጒሱ ኣሎ።
ምናልባት ይሕጐስ ይኸውን።
*እቲ ብወይናይ ሕብሪ ጐሊሑ ዘሎ ከም ቦዝ ዓንቀጽ ኮይኑ እዩ ኣትዩ። ምእንቲ ምሉእ
ሓሳብ ሒዙ ኺዛዘም ካልእ መደበኛ ወይ ሓጋዚ ግሲ ኸም ዜድልዮ ንጹር እዩ። እዚ
ዚስዕብ ኣብነት ብዝያዳ የብርሆ፣
ናብ ኣስመራ ኸይዱ።
ናብ ኣስመራ ኸይዱ ኣሎ።
ኣብቲ ቐዳማይ፡ እቲ “ኸይዱ” ዚብል ግሲ ንቐረባ ሕሉፍ ዚገልጽ መዛዘሚ ናይ ንኡስ
ሓረግ (ኣብ ትሕቲ ዓይነታት ሓረግ ርአ) እዩ ዚኸውን ዘሎ። ኣብቲ ኻልኣይ ግዳ፡
ብድሕሪኡ ሓጋዚ ግሲ “ኣሎ” ተወሲኹሉ ዚዛዘም ቦዝ ዓንቀጽ የቕውም።

(ሐ) ተመጣጢ (ደጋጋሚ) ፈርዒ፤

እዚ ግሲ’ዚ፡ ኣገባብ ወይ ሜላ ንምሕባር ዚዝውተር ዓይነት ዓንቀጽ የቕውም፤ በቲ ኣብ


ማእከሉ ዚድገም ፊደል ድማ ይልለ።

ግሲ ተመጣጢ ፈርዒ ግሲ ተመጣጢ ፈርዒ


ጸሓፈ ኣጸሓሕፋ በልዐ ኣበላልዓ
ሓሰበ ኣተሓሳስባ (ኣተሓስባ) ሞተ ኣመዋውታ (ኣማውታ)
ነበረ ኣነባብራ (ኣናብራ) ጸረየ ኣጸራርያ (ኣጻርያ)
*ተመጣጢ ፈርዒ ተለቃቢ ተውላጠስም ኪውሰኽሉ ይኽእል እዩ ( ንኣ. ኣጸሓሕፋና፡
ኣነባብራኦም፡ ኣመዋውታኡ፡ ወዘተ)።እቲ ኣብ ውሽጢ ሓጹር ዘሎ፡ ኣብ ዘይስሩዕ ኣበሃህላ
ዚስማዕ፡ ፊደል ስለ ዘይደጋግም ተመጣጢ ፈርዒ ኺብሃል ኣይክኣልን።
ኣዘራርባኡ ርጡብ ነበረ። ከከም ኣተሓሳስባና ንፋላለ ኢና።

100
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

፬. ተኽሎኣዊ ዓንቀጽ

እዚ ዓንቀጽ እዚ፡ ዓስቢ ወይ ትምኒት ዚሕብር፡ ኣብ ውሽጢ ዓረፍተነገር መዛዘሚ ዜብሉ


ኾይኑ ዚዝውተር ግሲ እዩ። ኣብ ክልተ ወገን ድማ ኪኽፈል ይክኣል።
(ሀ) ትምኒት/ጣዕሳ/ውልውል፤ (ለ) ምኽንያት/ሃለዋት፤

ብኻ መጺኡ! ምእንቲ ኸ'ይሓ'ምም…


ወሸለ ሓቲትካዮ! ስለ ኸ'ይስ'ከፍ …
ኣበይ’ሞ ተረኽበ! እንድሕሪ ዘይፈትዩ…
ዛጊት በጺሑ ምኾነ። እንተ ዚፍትን…
ከ'ይጠልመኩም ደኣ! ምስ ዚሓት'ተካ…
እስከ ጸሓይ ይብረቕ ማይ ይዛሪ… ብዝተዘርበ…
ከም መጸ፡ ክንደይ ኮን ምተሓጐሰ! ካብ ኣዘከርካናስ…
*ገለ ኻብዚ ዓንቀጻት’ዚ፡ ናይ “ዓብዪ ዓንቀጽ” ባህሪ ዘሎዎ እንተ መሰለ’ኳ፡ ተወሳኺ
ዓብዪ ዓንቀጽ ዜድልዮ ብምዃኑ ከም ዘይተዛዘመ እዩ ዚሕብር። ንኣብነት፤ ብኻ መጺኡ!
= መጺኡ ነይሩ እንተ ዚኸውን… (ክንደይ ምጸበቐ!)

እዚ ንበይኑ ዚዝውተር ሓረግ እንተ ኾነ’ኳ፡ እቲ ዝርዝር ትርጉሙ ግና ከም ዘይተዛዘመ


የነጽር።

ኣሉታ ናይ ምዱብ ሓረጋዊ ግሲ፣

ኣሉታ ናይ ሓደ ሓረጋዊ ግሲ ንምቛም፡ ብቕድሚኡ “ኣይ”፡ ብድሕሪኡ ድማ


ረባሕታ ናይቲ ግሲ በብኣካሉን በብጾታኡን፡ ኣብ መጠረሽታ ድማ "ን" ተለቂቡሉ
ይዛዘም።

፩. ርሑቕ ሕሉፍ (ግሲ=ጸሓፈ)

(ሀ) ኣሉታ = ኣይ + ርሑቕ ሕሉፍ + ን ኣይ + ጸሓፈ + ን = ኣይጸሓፈን


(ለ) ኣሉታ = ክ + ኣይ + ርሑቕ ሕሉፍ ክ + ኣይ + ጸሓፈ = ከይጸሓፈ
(ካይጸሓፈ)

101
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

*እቲ ኣብ (ሀ) ዘሎ ሓደ ነገር ከም ዘይተገብረ ብቐጥታ ዚሕብር ኪኸውን ከሎ፡ እቲ


ኣብ (ለ) ዘሎ ግና ንዘይተወድአ ፍጻመ ወይ ተግባር ይእምት። ናይ (ለ) ኣሉታ
ብድሕረኡ "ን" ከም ዜብሉ ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ።

፪. ቀረባ ሕሉፍ (ግሲ = ጽሒፉ)፣

ኣሉታ = ኣይ + ርሑቕ ሕሉፍ + ን ኣይ + ጸሓፈ + ን = ኣይጸሓፈን


እወታ ኣሉታ ደብዳበ ጽሒፉ ~ ኣይጸሓፈን
*ቍጽሪ (1) ወ (2)፡ ክልቲኡ ካብ ርሑቕ ሕሉፍ ዝነቐለ ተመሳሳሊ ኣሉታ እዩ ዘሎዎ።
፫. ቀሊል ህልዊ (ግሲ = ይጽሕፍ)
(ሀ) ኣይ+ቀሊል ህልዊ+ን ኣይ+እጽሕፍ+ን=ኣይጽሕፍን (ቀዳማይ ኣካል) ኣይ+ይጽሕፍ+ን
= ኣ’ይጽሕፍን (ሳልሳይ ኣካል)
*ኣብ ሳልሳይ ኣካል "ይ" ከም ዚተርር ኣስተብህል።
እምብለይ ኣይጽሕፍን! (ቀዳማይ ኣካል) ኣ'ይጽሕፍን
ደኣ'ምበር፡ደሃያስይገብር'ዩ።(ሳልሳይ ኣካል)
(ለ) ከይ + ቀሊል ህልዊ ከይ + እጽሕፍ = ከይጽሕፍ (ቀዳማይ ኣካል) ከይ + ይጽሕፍ
= ከ'ይጽሕፍ (ሳልሳይ ኣካል)
*እዚ ኣሉታ'ዚ፡ ከም ምኽንያት ወይ ሰበብ፡ ከምኡ'ውን ከም ከልካሊ ትእዛዝ ይዝውተር።
ስለዚ ኣጋዲ-ኣሉታ ኺብሃል ይክኣል።
ከይርእየኪ ጎቦ ኸልከለኒ፡ ከይመጸኪ ዓዲ ረሓቐኒ (ምኽንያታዊ)።
ከ'ይርእየኪ ጎቦ ኸልኪልዎ፡ ከ'ይመጸኪ ዓዲ ርሒቕዎ።
ናብ’ዚኣ ኣቢልካ ተንከስ ከይትብል (ትእዛዛዊ)
*ሳልሳይ ኣካል በቲ ዚተርር "ይ" እዩ ዚፍለ።

፬. ኣሉታ ቀሊል መጻኢ (ግሲ = ጸሓፈ)፣

(ሀ) ኣይ+ቀሊል መጻኢ+ን ኣይ+ክጽሕፍ+ን = ኣይክጽሕፍን (ቀዳማይ


ኣካል) ኣይ+ኪጽሕፍ+ን = ኣይኪጽሕፍን (ሳልሳይ ኣካል)
(ለ) ቀሊል መጻኢ+ኣይ+ርሑቕ ግሲ ኵነት+ን

ክጽሕፍ+ኣይ+ኮንኩ+ን = ክጽሕፍ ኣይኮንኩን (ቀዳማይ ኣካል) ኪጽሕፍ+ኣይ+ኮነ+ን =


ኪጽሕፍ ኣይኮነን (ሳልሳይ ኣካል)

102
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

*ኣብ (ሀ)፡ ኣብ መንጎ እቲ ቐዳማይን ሳልሳይን ኣካል ዘሎ ፍልልይ ኣስተብህል። እዚ


ግሲ'ዚ ንኺዛዘም እወታ ሓጋዚ ግሲ "ኵነት" የድልዮ። ኣብ (ለ) እቲ እወታ ናይ መጻኢ
ምዱብ ግሲ ብናይ "ኵነት" ሓጋዚ ግሲ ኣቢሉ፡ ሕደ ዝኾነ፡ ግና ፍሉይ ስምዒትን
ትርጉምን ብዚህብ መገዲ ናይ ኣሉታ ምሉእ ሓሳባት ከም ዜቕውም የርኢ።
ኣሉታ ምዱብ ግሲ ኣሉታ ግሲ ኵነት
ኣይኪሕለልን እዩ። ኪሕለል ኣይኮነን
ኣይኬግድዖን እዩ። ኬግድዖ ኣይኮነን
ኣይክትጥዓሱን ኢኻትኩም ክትጥዓሱ ኣይኮንካትኩምን
ኣይክንፋርጎምን ኢና። ክንፋርጎም ኣይኮንናን
ኣይከተሸግረኩምን እያ። ከተሸግረኩም ኣይኮነትን
ረሓ ኣይኪህባኣቶምን እየን። ረሓ ኪህባኣቶም ኣይኮናን
*እቲ ኻልኣይ መልእኽቲ ዝያዳ ኸም ዚተርር ኣስተብህል።
ኣሉታ ናይ ሓረጋዊ ግሲ “ኩነት”፣ ኣሉታ ናይዚ ግሲ'ዚ፡ ካብቲ ረባሕታ ናይ ግሲ
“ኵነት” እዩ ዚነቅል፤ ሓፈሻዊ ኣደዃዅናኡ ድማ ኸምዚ ይመስል። ኣሉታ “ኩነት”
- ኣይ + ረባሕታ ሓረጋዊ ግሲ “ኵነት” + ን

ንጽል ድርብ
ኣካል እወታ ኣሉታ እወታ ኣሉታ
1ይ እ'የ ኣይኮንኩን ኢና ኣይኮንናን
2ይ ኢኻ ኣይኮንካን ኢኹም ኣይኮንኩምን
2ይ ኢኹም ኣይኮንኩምን „ „
2ይ ኢኺ ኣይኮንክን ኢኽን ኣይኮንክንን
2ይ ኢኽን ኣይኮንክንን „ „
3ይ እ'ዩ ኣይኮነን እ'ዮም ኣይኮኑን
3ይ እ'ዮም ኣይኮኑን „ „
3ይ እ'ያ ኣይኮነትን እ'የን ኣይኮናን
3ይ እ'የን ኣይኮናን „ „
*ብዘይ ተውላጠስም ኪዝውተር ከሎ፡ እቲ ግሲ “ኩነት”፡ ብፍላይ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን
ኣካል ብድርብ መልክዕ ኪረብሕ ይስማዕ እዩ። ግና ብዙሕ ልሙድ ኣይኮነን።
እወታ ኣሉታ

103
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኢኻትኩም ኣይኮንካትኩምን
ኢኻትክን ኣይኮንካትክንን
እ'ያቶም ኣይኮኑታን
እ'ያተን ኣይኮናታን

ኣሉታ ናይ ግሲ “ህላወ”፣

ኣሉታ “ህላወ” = ኣይ + ግሲ “ህላወ” + ን


ኣይ + ኣሎ + ን = ኣይኣሎን = ኣየሎን
ኣየሎን = ‘የሎን
ብተመሳሳሊ መገዲ ድማ እቲ ምሉእ ረባሕታ ኸምዚ ዚስዕብ ይዝርዘር፤

ንጽል ድርብ
ኣካል እወታ ኣሉታ እወታ ኣሉታ
1ይ ኣ'ለኹ የ'ለኹን ኣ'ለና የ'ለናን
2ይ ኣ'ለኻ የ'ለኻን ኣ'ለኹም የ'ለኹምን
2ይ ኣ'ለኹም የ'ለኹምን „ „
2ይ ኣ'ለኺ የ'ለኽን ኣ'ለኽን የ'ለኽንን
2ይ ኣ'ለኽን የ'ለኽንን „ „
3ይ ኣ'ሎ የ'ሎን ኣ'ለዉ የ'ለዉን
3ይ ኣ'ለዉ የ'ለዉን „ „
3ይ ኣ'ላ የ'ላን ኣ'ለዋ የ'ለዋን
3ይ ኣ'ለዋ የ'ለዋን „ „
*ብዘይ ተውላጠስም ኪዝውተር ከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ኣካል ሳሕቲ
ብድርብ ኪዝረብ ይስማዕ እዩ። እዚ ኣገባብ’ዚ እንተ ተዘውተረ ነቲ ቛንቋ ዝያዳ ንጹርን
ርጡብን ስለ ዚገብሮ ኺተባባዕ ይግባእ።
ምስ ተ/ስም ብዘይ ተ/ስም ብዘይ ተ/ስም
ኣካል ድርብ (እወታ) ድርብ (እወታ) ድርብ (ኣሉታ)
2ይ ኣ'ለኹም ኣ'ለኻትኩም የ'ለኻትኩምን
2ይ ኣ'ለኽን ኣ'ለኻትክን የ'ለኻትክንን

104
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

3ይ ኣ'ለዉ ኣ'ለዉታ የ'ለዉታን


3ይ ኣ'ለዋ ኣ'ለዋታ የ'ለዋታን
መጺኦምዶ? (ንሓደ ሰብ ብኣኽብሮት) ኣይመጽኡታን። (ንብዙሓት)

ኣሉታ ናይ ግሲ "ውነና“፣

ኣሉታ ናይ ውነና ግሲ ካብ ግሲ “ህላወ” ሳልሳይ ኣካል ዝነቐለ እዩ፤ ከምዚ ዚስዕብ


ድማ ይረብሕ።
እወታ - ኣሎ + ተለቃቢ ተ/ስም ኣሉታ - የብል + ተለቃቢ ተ/ስም + ን እወታ - ኣሎ
+ ኒ = ኣሎኒ (ንቐዳማይ ኣካል)
ኣሉታ - የብል + አይ + ን = የብለይን ምሉእ ረባሕታኡ ቀጺሉ እንሆ፤

ንጽል ድርብ
ኣካል እወታ ኣሉታ እወታ ኣሉታ
1ይ ኣ'ሎ'ኒ የብ'ለይን ኣ'ሎ'ና የብልናን
2ይ ኣ'ሎ'ካ የብልካን ኣ'ሎ'ኩም የብልኩምን
2ይ ኣ'ሎ'ኩም የብልኩምን „ „
2ይ ኣ'ሎ'ኪ የብልክን ኣ'ሎ'ክን የብልክንን
2ይ ኣ'ሎ'ክን የብልክንን „ „
3ይ ኣ'ሎ'ዎ የብ'ሉን ኣ'ሎ'ዎም የብ'ሎምን
3ይ ኣ'ሎ'ዎም የብ'ሎምን „ „
3ይ ኣ'ሎ'ዋ የብ'ላን ኣ'ሎ'ወን የብ'ለንን
3ይ ኣ'ሎ'ወን የብ'ለንን „ „

ናይ ሕቶ ግሲ፣

፩. ሕቶ ብምዱብ ግሲ፤ እዚ ብእወታ ወይ ብኣሉታ ግስን፡ ብድሕረኡ ብዚልቀብ "ዶ"


ዚብል ቃል ዚቐውም፡ ኣብ መጠረሽታ ድማ ብናይ ጥያቐ ትእምርቲ ዚዛዘም ኣገባብ
ውከሳ እዩ። ምስ ዜድሊ፡ ከከም እቲ ኺምሓላለፍ ዚድለ መልእኽቲ ሓጋዚ ግሲ
ኺውሰኸሉ ይክኣል። ስለዚ፣

105
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

እወታ - እወታ ግሲ + ዶ( + ሓጋዚ ግሲ ኩነት / ህላወ) ?

ኣሉታ - ኣሉታ ግሲ + ዶ( + ሓጋዚ ግሲ ኩነት / ህላወ) ?

(ሀ) ርሑቕ ሕሉፍ = (ጸሓፈ) እወታ - ጸሓፈ + ዶ? = ጸሓፈዶ?

ኣሉታ - ኣይ + ጸሓፈ + ን + ዶ + (እዩ / ኣሎ) ? ኣይጸሓፈንዶ (እዩ / ኣሎ) ?


ኣሉታ - ከይ + ጸሓፈ + ዶ + (እዩ / ኣሎ) ?
ከይጸሓፈዶ (እዩ / ኣሎ) ?

(ለ) ቀረባ ሕሉፍ = ጽሒፉ

እወታ - ጽሒፉ + ዶ? = ጽሒፉዶ?


ኣሉታ - ኣይ + ጸሓፈ + ን + ዶ + (እዩ / ኣሎ) ?
ኣይጸሓፈንዶ + (እዩ / ኣሎ) ?
ኣሉታ - ከይ + ጸሓፈ + ዶ + (እዩ / ኣሎ) ?
ከይጸሓፈዶ (እዩ / ኣሎ) ?
*ኣሉታ ናይ ርሑቕን ቀረባን ሕሉፍ፡ መበገሲኡ ሕደ ምዃኑ ምስትብሃል
የድሊ።ክልተኡ ካብ "ርሑቕ ሕሉፍ" (ጸሓፈ) እዩ ዚቐውም። እቲ ኣሉታ "ከይ" ሓደ
ነገር ከሎ ገና ከይተፈጸመ ዚኽሰት ኣሉታዊ ስጕምቲ ዜመልክት ቃል እዩ።ኣመጻጽኣኡ
ኸኣ ካብ መጻኢ እዋን ምዃኑ እዚ ዚስዕብ የብርህ፡
እወታ - ክ + ይጽሕፍ = ኪጽሕፍ ኣሉታ - ክ + ኣይ + ይጽሕፍ = ከይ (ካይ) +
ይጽሕፍ
ከ'ይጽሕፍ / (ካ'ይጽሕፍ)

(ሐ) ቀሊል ህልዊ = ይጽሕፍ

እወታ - ይጽሕፍ+ዶ+(እዩ/ኣሎ) ? ይጽሕፍዶ+(እዩ/ኣሎ) ?


ኣሉታ - ኣይ+ይጽሕፍ+ን+ዶ+(እዩ/ኣሎ) ? ኣ'ይጽሕፍንዶ(እዩ/ኣሎ) ?
ኣሉታ - ከይ+ይጽሕፍ+ዶ+(እዩ) ? ከ'ይጽሕፍዶ/ከ'ይጽሕፍ ድዩ?

(መ) ቀጻሊ ህልዊ = ይጽሕፍ ኣሎ።

106
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

እወታ - ይጽሕፍ ኣሎ+ዶ+(እዩ) ?


ኣሉታ - ኣይ+ይጽሕፍ+ን+ኣሎ+ዶ+(እዩ) ? ኣ'ይጽሕፍን ኣሎዶ? ኣ'ይጽሕፍን ኣሎ
ድዩ?

(ረ) ቀሊል መጻኢ = ክ+ይጽሕፍ/ኪጽሕፍ (እዩ)

እወታ - ኪጽሕፍ+ዶ+(እዩ) ? ኪጽሕፍዶ?/ኪጽሕፍ ድዩ?


ኣሉታ - ኣይ+ኪጽሕፍ+ን+ዶ+(እዩ) ? ኣይኪጽሕፍንዶ/ኣይኪጽሕፍን ድዩ?
ኣሉታ - ክ+ኣይ+ይጽሕፍ+ዶ+(እዩ) ? ከ'ይጽሕፍዶ/ከ'ይጽሕፍ ድዩ?
* ኣብ (ሐ) ወ (መ) ኣብ መንጎ ኽልተኡ ሕቶ ናይ ትርጉም ፍልልይ ከም ዘሎ
ምስትብሃል የድሊ። እቲ ቐዳማይ ከም ወትሩ ይጽሕፍ እንተሎ ንምፍላጥ ዚቐርብ
ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ግና ሕጂ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ይጽሕፍ እንተሎ ንምፍላጥ
ዚቐርብ ሕቶ እዩ።

፪. ናይ ሕቶ ተውሳኸ ግሲ ወይ ተውሳኸግሳዊ ሓረግ ምስ ዝተፈላለየ ዓይነት ግሲ፤

ናበይ ከደ? ብኸመይ መገዲ ተረኽበ?


ካበይ መጺኡ? ኣበይ ኣሎ?
በየን ኣበለ? እንታይ ገበረ?
ስለምንታይ ትጭነቕ? በየን ኮይኑ?
መኣስ በጺሕካ? ከመይ ገይሩ?
ከመይ ይመስል? ናበይ ኣበለ?
ናይ ኣንክሮ (ኣጋንኖ) ግሲ፡
እዚ ግሲ’ዚ፡ ከምቲ ኣብ መእተዊ ናይዚ ኽፍለ ንግግር’ዚ ዝተገልጸ፡ ካብ ቃለ ኣንክሮ
(ኣጋንኖ) ወይ ሌጣ ግሲ ዝፈልፈለ፡ ብድሕረኡ ሓጋዚ ግሲ "በለ" ብገቢር ወይ ብኣግብሮ
ናይ ርሑቕን ቀረባን ሕሉፍ ብምኽታል ዚቐውም፡ ዝተፈላለየ ዝትርጕሙ ድርብ ቃል
እዩ። እቲ ቓለ-ኣንክሮ፡ ድምጺ፡ ስምዒት፡ እንቅስቃሰ፡ ኵነት፡ ወዘተ... ናይ ህይወታዊ
ወይ ግዑዝ ነገር ኪኸውን ይኽእል።
ኡይ በለት ብድድ ኢሎም ሕርቕ በለ
ውሕ በለ ኵርምይ ኢለን ሕርር በለት
ቅሊው ኣበለት ዕጽፍ ኣበለ ባዕ በለ
ዲም ኢሉ ዝርግሕ ኣበለት መስ በለ

107
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ቅጭል ኣበለ ሽው በለ ብልጭ ኣበለ


ጥር በለ ወዘተ…

ካብዚ ገሊኡ ብንጽል ሓረጋዊ ግሲ ኺትካእ ይክኣል፤

ብቐጥታ ብመተካእታ

ቅጭል በለ = ተቓጨለ ውሕ በለ = ነብሐ


ሕርቕ በለ = ሓረቐ ብድድ በለ = ተንስአ
ጕህይ በለ = ጐሃየ መስ በለ = ኣንጸብረቐ
ኡይ በለት = ኣእወየ ብድድ በለ = ተንስአ
ኵርምይ በለ = ተዀርመየ መስ በለ = ኣንጸብረቐ
ሕርር በለ = ሓረረ ባዕ በለ = በርሀ / ነቝሐ
ጥር በለ = ነጠረ ዲም ኢሉ = ኣድህዩ
ብልጭ ብልጭ በለ = ኣብለጭለጨ / ኣንጸብረቐ ዝርግሕ በለ = ተዘርግሐ / ተሰጥሐ
ወዘተ… ናይ ኣጋንኖ ግሲ በብጕጅለ ኪኽፈል ይክኣል። ብዝተፈላለየ ናይ
እዋን መፍለዪ ድማ
ይዝውተር። ብሕሉፍ እዋን ምስ ዚዝርዘር ከምዚ ይመስል። ድምጽን ደሃያትን፤
ኛው በለት። ሽዋሕ ኣበለ፡ ፈግ ኣበለ።
ዓንገረር ኢሉ። ቃዕ በለ። ረማዕ ኢሉ።
ሩር በለ። ቈጫዕ ኣበለ። ጨቐቕ በለ።
ሕርቕ በለት። ሕ'ጕስ ኢሎም፡ ክምስ በለ።
ጕህይ በለ። ፍንጭሕ በሉ፡ ኰረፍ ኢሉ፡
ሕንኽ በለ። ስ'ክፍ በለ። ደስ ኣበለ።

ንጥፈት፤

ላዕልን ታሕትን በልና። ኵስኵስ ኣ'በለ።


ሃለኽለኽ በለ። ቅድሕ ኣ'በለት።
ዳምዳም እናበለ። ሕርስ ኣ'ብሎ።
ሽው በለ። በለዅ በለ። ድርግም ኣ'በለ።

108
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ፍር ኢሉ። ስትዅ በለ። ሸረር ኣ'በለ።


ጥር በለ። ኰረር ኣበለ። ጥውይ ኣ'በለ።

ኵነት ወይ ትርኢት፤

ዝርግርግ ኢሉ ድንግርግር በለ።


ርምስምስ ኣ'በለ። ብትንትን በለ።
ጽርውርው ኣ'ቢልዎ። ሕምትልትል ኣ'በለ።
ዕግርግር ኣ'በለ። ጽይቕይቕ ኣ'በለ።
ሕምርግርግ በለ። ወዘተ. . .
ድግግም፤
ሒደት ድግግም ብዝሕዝበለ ወይ ጽዑቕ ድግግም
ጥውቕ ጥውቕ ኣበለ። ጥውቕውቕ ኣበለ። ቀጭቀጭ ኣበለ
ትንክይ ትንክይ ኣበለ። ትንክይክይ ኣበለ። ሓውሓው በለ
ርግጽ ርግጽ ኣበለ ርግጽግጽ ኣበለ። ጥርጥር በለ
ግንሕ ግንሕ ኣበለ። ግንሕንሕ ኣበለ። ፍርፍር በለ
ድርዝ ድርዝ ኣበለ ድርዝርዝ ኣበለ። ፋሕፋሕ ኣበለ
ምርቕ ምርቕ ኣበለ። ምርቕርቕ ኣበለ። ራዕራዕ በለ
ሸረር ሸረር በለ ሸረረር በለ። ወዘተ. . .

እዋን ኣብ ግሲ፣

ዝኾነ ንጥፈት ወይ ኵነት ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ግዜ እዩ ዚኽሰት። እቲ ግዜ፡ ሕሉፍ፡


ህልዊ ወይ መጻኢ ኪኸውን ይኽእል። ግሲ፡ ነዚ ግዜ’ዚ በቲ ቕኑዕ ሕጊ ናይ ሰዋስው
ኬንጸባርቕ ይግባእ። ኣብቲ ዝርካቡ ቕድሚ ሎሚ ንሕትመት ዝበቕዐ ናይ ትግርኛ
ሰዋስው፡ እዚ ዝተጠቕሰ ባህሪ ናይ ግሲ፡ ካብቲ ናይ እንግሊዝኛ ወይ ካልእ ቋንቋ
ብቐጥታ ብምቕዳሕ ንምግራሑ ተፈቲኑ ነይሩ እዩ። እንተኾነ ግና፡ ኵሉ ቛንቋ ናይ
ባዕሉ ሕግን ዘይቤን ስለ ዘሎዎ፡ እዚ ኣገባብ’ዚ፡ ኣብቲ ቛንቋ ኣሉታ ሳዕቤን ከየኸተለ
ኣይተረፈን። ካብዚ ቐጺሉ፡ ንትግርኛ በቲ ናይ ባዕሉ ኣገባብን ዘይቤን ምእንቲ
ኺምራሕን፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ነቲ ኣብ ካልእ ቋንቋ ዚርከብ ትኽክለኛ መዳርግቱ
ብንጹር ንምልላይ ምእንቲ ኺሕግዝን፡ ኣብ ሰለስተ ብምኽፋል፡ ብሕሉፍ፡ ብህልዊ፡

109
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ብመጻኢ እዋን፡ ብእወታን ብኣሉታን ብሕቶን መልክዕ ብሳልሳይ ኣካል፡ ንጽል፡ ተባዕታይ
ጾታ በዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ኣሕጽሮት መሰረት ተዘርዚሩ እንሆ። ኣሕጽሮት፣
ህ. = ህልዊ እዋን። ቀሊ.መ. = ቀሊል መጻኢ።
ሓ. = ሓባሪ ሓጋዚ ግሲ (ህላወ)። ተ,ግ. = ተውሳኸ-ግሲ።
ሓረግ = ዓብዪ ሓረግ። ኣዛ. = ኣዛማዲ (ዝ__)።
ሕ. = ሕሉፍ እዋን። ኣጣ. = ኣጣላሊ ሓጋዚ ግሲ (ዅነት)።
መ. = መጻኢ እዋን። እና__ = ተውሳኸ ግሳዊ ጥባቕ።
ር. = ርሑቕ። እና__ኸሎ = ቀጻሊ ተ.ግ.(ቀ.ተ.ግ.)
ቀ. = ቀረባ። ጥ.ቅ. = ጥብቆ ቕድሚት።
ንኣብነት፤ ህ.ሓ=ህልዊ ሓጋዚ (ኣሎ)።
ር.ሕ.=ርሑቕ ሕሉፍ እዋን (ግሲ)።
ር.ሕ.ሓ.=ርሑቕ ሕሉፍ ሓጋዚ (ነበረ)።
ቀ.ሕ.ሓ= ቀረባ ሕሉፍ ሓጋዚ ግሲ (ነይሩ)። ኣዛ. ህ. ሓ.=ኣዛማዲ ህልዊ ሓጋዚ (ዘሎ)።
ኣዛ.ሕ.=ዝ+ርሑቕ ሕሉፍ ግሲ። ኣዛ.ሕ.ሓ.=ኣዛማዲ ሕሉፍ ሓግዚ ግሲ (ዝነበረ)።
ኣዛ.ር.ሕ.=ኣዛማዲ ርሑቕ ሕሉፍ እዋን(ዝ__)። ኣጣ=ኣጣላሊ ሓጋዚ ናይ ኵነት ግሲ
(እዩ)። እና+ር.ሕ.= ንኣ. እናሰርሐ። እና___ኸሎ= ሓረግ = ንኣ. እናሰርሐ ኸሎ ወዘተ...

፩. ሕሉፍ እዋን (ግሲ ሰርሐ)

፩.፩. ርሑቕ ሕሉፍ ምስ ኣዛማዲ ተ/ስም፣

(ሀ) ር.ሕ. (ለ) ኣዛ.ሕ.


እወታ-ሰርሐ። እወታ-ዝሰርሐ።
ኣሉታ-ኣይሰርሐን። ኣሉታ-ዘይሰርሐ።
ሕቶ-ሰርሐዶ? ሕቶ-ዝሰርሐዶ?
-ኣይሰርሐንዶ? -ዘይሰርሐዶ?

1ይ ኣብነት፣

(ሀ) ብትግሃት ሰርሐ (ኣይሰርሐን)።

110
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

„ ሰርሐዶ(ኣይሰርሐንዶ) ?

(ለ) ዝሰርሐ(ዘይሰርሐ) ይዕወት(ኣይዕወትን)።

ዝሰርሐዶ(ዘይሰርሐዶ) ኣይዕወትን(ይዕወት) ?

(ሐ) ኣዛማዲ ግሲ ምስ ኵነት (መ) ኣዛ.ሕ.+ኣጣ.+ኣዛ.ሕ.ሓ.


እወታ -ዝሰርሐ እዩ። እወታ -ዝሰርሐ እዩ ዝነበረ።
ኣሉታ -ዘይሰርሐ እዩ። ኣሉታ -ዘይሰርሐ እዩ ዝነበረ።
ሕቶ -ዝሰርሐ ድዩ? ሕቶ -ዝሰርሐ ድዩ ዝነበረ?
-ዘይሰርሐ ድዩ? -ዘይሰርሐ ድዩ ዝነበረ?

2ይ ኣብነት፣

(ሐ) ቅድሚሕጂዝሰርሐ(ዘይሰርሐ) (ሜላ) እዩ።


„ „ „ (ሜላ) ድዩ?
(መ) ሓደኻብቲዝሰርሐ(ዘይሰርሐ) (ሜላ) እዩዝነበረ።
„ „ „ ድዩዝነበረ?
(ረ) ኣዛ.ሕ.+ኣጣ.+ቀ.ሕ.ሓ. (ሰ) ኣጣ.+ኣዛ.ሕ.
እወታ-ዝሰርሐ እዩ ነይሩ። እወታ-እዩ ዝሰርሐ።
ኣሉታ-ዘይሰርሐ እዩ ነይሩ። ኣሉታ-እዩ ዘይሰርሐ።
ሕቶ -ዝሰርሐ ድዩ ነይሩ? ሕቶ -ድዩ ዝሰርሐ?
-ዘይሰርሐ ድዩ ነይሩ? -ድዩ ዘይሰርሐ?
(ሸ) ኣዛ.ሕ.+ኣጣ.+ኣዛ.ህ.ሓ. (ቀ) ኣዛ.ሕ.+ር.ሕ.ሓ.
እወታ-ዝሰርሐ እዩ ዘሎ። እወታ-ዝሰርሐ ነበረ።
ኣሉታ-ዘይሰርሐ እዩ ዘሎ። ኣሉታ-ዘይሰርሐ ነበረ።
ሕቶ -ዝሰርሐ ድዩ ዘሎ? ሕቶ -ዝሰርሐዶ ነበረ?
-ዘይሰርሐ ድዩ ዘሎ? - ዘይሰርሐዶ ነበረ?
(በ) ኣዛ.ሕ.+ቀ.ሕ.ሓ. (ቨ) ኣዛ.ሕ.+ህ.ሓ.
እወታ - ዝሰርሐ ነይሩ። እወታ - ዝሰርሐ ኣሎ።
ኣሉታ - ዘይሰርሐ ነይሩ። ኣሉታ - ዘይሰርሐ ኣሎ።

111
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሕቶ - ዝሰርሐዶ ነይሩ? ሕቶ - ዝሰርሐዶ ኣሎ?


- ዘይሰርሐዶ ነይሩ? - ዘይሰርሐዶ ኣሎ?
(ተ) ኣዛ.ሕ.+ቀ.ሕ.ሓ.+ኣጣ. (ቸ) ኣዛ.ሕ.+ህ.ሓ.+ኣጣ.
እወታ - ዝሰርሐ ነይሩ እዩ። እወታ - ዝሰርሐ ኣሎ እዩ።
ኣሉታ - ዘይሰርሐ ነይሩ እዩ። ኣሉታ - ዘይሰርሐ ኣሎ እዩ።
ሕቶ - ዝሰርሐዶ ነይሩ እዩ? ሕቶ - ዝሰርሐዶ ኣሎ እዩ
- ዘይሰርሐዶ ነይሩ እዩ? - ዘይሰርሐዶ ኣሎ እዩ?
(ነ) ህ.ሓ+ኣዛ.ሕ. (ኘ) ህ.ሓ+ኣጣ.+ኣዛ.ሕ.
እወታ - ኣሎ ዝሰርሐ። እወታ - ኣሎ እዩ ዝሰርሐ።
ኣሉታ - ኣሎ ዘይሰርሐ። ኣሉታ - ኣሎ እዩ ዘይሰርሐ።
ሕቶ - ኣሎዶ ዝሰርሐ? ሕቶ - ኣሎ ድዩ ዝሰርሐ?
- ኣሎዶ ዘይሰርሐ? - ኣሎ ድዩ ዘይሰርሐ?
ወዘተ...

፩.፪. ርሑቕ ሕሉፍ ምስ " እና "

(ሀ) እና+ር.ሕ.=ተ.ግ. (ለ) እና+ር.ሕ.+ኸሎ=ሓረግ


እወታ - እናሰርሐ። እወታ - እናሰርሐ ኸሎ።
ኣሉታ - ከይሰርሐ። ኣሉታ - ከይሰርሐ ኸሎ።
ሕቶ - እናሰርሐዶ? ሕቶ - እናሰርሐ ኸሎዶ?
- ከይሰርሐዶ? - ከይሰርሐ ኸሎዶ?
(ሐ) ሓረግ+ኣጣ. (መ) ሓረግ+ኣጣ.+ኣዛ.ሕ.ሓ.
እወታ - እናሰርሐ ኸሎ እዩ። እወታ - እናሰርሐ ኸሎ እዩ ዝነበረ።
ኣሉታ - ከይሰርሐ ኸሎ እዩ። ኣሉታ -ከይሰርሐ ኸሎ እዩ ዝነበረ።
ሕቶ - እናሰርሐ ኸሎ ድዩ? ሕቶ -እናሰርሐ ኸሎ ድዩ ዝነበረ?
- ከይሰርሐ ኸሎ ድዩ? - ከይሰርሐ ኸሎ ድዩ ዝነበረ?
(ረ) ሓረግ+ኣጣ.+ቀ.ሕ.ሓ. (ሰ) ተ.ግ+ኣጣ.+ኣዛ.ህ.
እወታ - እናሰርሐ ኸሎ እዩ ነይሩ። እወታ - እናሰርሐ እዩ ዚምሃር
ኣሉታ - ከይሰርሐ ኸሎ እዩ ነይሩ። ኣሉታ - ከይሰርሐ እዩ ዚምሃር

112
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሕቶ - እናሰርሐ ኸሎ ድዩ ነይሩ? ሕቶ - እናሰርሐ ድዩ ዚምሃር


- ከይሰርሐ ኸሎ ድዩ ነይሩ? - ከይሰርሐ ድዩ ዚምሃር
(ሸ) ተ.ግ.+ር.ሕ. (ቀ) ተ.ግ.+ቀ.ሕ. (ኣጣ.)
እወታ - እናሰርሐ ሃብተመ። እወታ- እናሰርሐ ሃብቲሙ (እዩ)።
ኣሉታ - ከይሰርሐ ሃብተመ። ኣሉታ- ከይሰርሐ ሃብቲሙ (እዩ)
ሕቶ - እናሰርሐ ሃብተመዶ? ሕቶ - እናሰርሐ ሃብቲሙ (ድዩ) ?
- ከይሰርሐ ሃብተመዶ? - ከይሰርሐ ሃብቲሙ (ድዩ) ?
በ) ተ.ግ+ህ. ኣጣ. (ኣዛ.ህ.)/ህ.ሓ.
እወታ - እናሰርሐ ይህብትም እዩ (ዘሎ)/ኣሎ። ኣሉታ - ከይሰርሐ ይህብትም እዩ
(ዘሎ)/ኣሎ። ሕቶ - እናሰርሐ ይህብትም ድዩ (ዘሎ)/ዶሎ።

- ከይሰርሐ ይህብትም ድዩ (ዘሎ)/ዶሎ።


(ተ) ተ.ግ.+ህ.+ቀ.ሕ.ሓ+(ኣጣ.)
እወታ - እናሰርሐ ይህብትም ነይሩ (እዩ)። ኣሉታ - ከይሰርሐ ይህብትም ነይሩ
(እዩ)። ሕቶ - እናሰርሐ ይህብትም ነይሩዶ/ነይሩ ድዩ?

- ከይሰርሐ ይህብትም ነይሩዶ/ነይሩ ድዩ?


ቸ) ተ.ግ.+ህ.+ኣጣ.+ቀ.ሕ.ሓ.
እወታ - እናሰርሐ ይህብትም እዩ ነይሩ። ኣሉታ - ከይሰርሐ ይህብትም እዩ ነይሩ።
ሕቶ - እናሰርሐ ይህብትም ድዩ ነይሩ?

- ከይሰርሐ ይህብትም ድዩ ነይሩ? ወዘተ...


*እዚ ኣብ ላዕሊ ብሳልሳይ ኣካል ተባዕታይ ጾታ ተዘርዚሩ ዘሎ ረባሕታ ብኹሉ
ኻልእ ኣካልን ጾታን'ውን ኪትካእ ይክኣል እዩ።

፩.፫. ሓጋዚ ግሲ ብኣሉታ ኪዝውተር ከሎ፤

(ሀ) ኣዛ.ሕ.+ኣጣ. (ለ) ኣዛ.ሕ+ህ.ሓ.


እወታ-ዝሰርሐ እዩ። እወታ -ዝሰርሐ ኣሎ።
ኣሉታ- ዝሰርሐ ኣይኮነን። ኣሉታ -ዝሰርሐ የሎን።

113
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሕቶ - ዝሰርሐ ድዩ? ሕቶ -ዝሰርሐዶ ኣሎ?


- ዝሰርሐዶ ኣይኮነን? -ዝሰርሐዶ የልቦን ወዘተ…

፩.፬. ናይ ሕቶ ቓል “ዶ” ብድሕሪ ሐጋዚ “ህላወ”

(ሀ) ኣዛ.ሕ+ህ.ሓ (ለ) ኣዛ.ሕ.+ህ.ሓ.+ኣጣ.


እወታ-ዝሰርሐ ኣሎ። እወታ-ዝሰርሐ ኣሎ እዩ።
ኣሉታ-ዝሰርሐ የሎን። ኣሉታ-ዝሰርሐ የሎን እዩ?
ሕቶ -ዝሰርሐ ኣሎዶ? ሕቶ -ዝሰርሐ ኣሎ ድዩ?
-ዝሰርሐ የሎንዶ? -ዝሰርሐ የሎን ድዩ?

፪. ቀረባ ሕሉፍ (ግሲ=ሰሪሑ/መጺኡ/ጽሒፉ/ተሓጒሱ)

(ሀ) ቀ.ሕ. (ለ) ቀ.ሕ.+ኣጣ.


እወታ - ሰሪሑ። እወታ - ሰሪሑ እዩ።
ኣሉታ - ኣይሰርሐን። ኣሉታ - ኣይሰርሐን እዩ።
ሕቶ - ሰሪሑዶ? ሕቶ - ሰሪሑ ድዩ?
- ኣይሰርሐንዶ? -ኣይሰርሐን ድዩ?
(ሐ) ኣጣ.+ቀ.ሕ. (መ) ቀ.ሕ.+ህ.ሓ.
እወታ - እዩ ሰሪሑ። እወታ-ሰሪሑ ኣሎ።
ኣሉታ-ኣይኮነን ሰሪሑ። ኣሉታ-ኣይሰርሐን ኣሎ።
ሕቶ- ድዩ ሰሪሑ? ሕቶ -ሰሪሑዶ ኣሎ?
-ዶ'ይኮነን ሰሪሑ? -ኣይሰርሐንዶ ኣሎ?
(ረ) ቀ.ሕ.+ኣጣ.+ህ.ኣዛ.ሓ. (ሰ) ቀ.ሕ.+ህ.ኣዛ.ሓ+ኣጣ.
እወታ-መጺኡ እዩ ዘሎ። እወታ- መጺኡ ዘሎ እዩ።
ኣሉታ-ኣይመጽአን እዩ ዘሎ። ኣሉታ- ኣይመጽአን ዘሎ እዩ።
ሕቶ -መጺኡ ድዩ ዘሎ? ሕቶ - መጺኡ ዘሎ ድዩ? -
- ኣይመጽአን ድዩ ዘሎ። - ኣይመጽአን ዘሎ ድዩ?
(ሸ) ቀ.ሕ.+ር.ሕ.ሓ. (ቀ) ቀ.ሕ.+ቀ.ሕ.ሓ.
እወታ - መጺኡ ነበረ። እወታ - መጺኡ ነይሩ።

114
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣሉታ - ኣይመጽአን ነበረ። ኣሉታ - ኣይመጽአን ነይሩ።


ሕቶ - መጺኡዶ ነበረ? ሕቶ - መጺኡዶ ነይሩ?
- ኣይመጽአንዶ ነበረ? - ኣይምጽአንዶ ነይሩ?
(በ) ቀ.ሕ+ቀ.ሕ.ሓ.+ኣጣ. (ተ) ቀ.ሕ.+ኣጣ.+ቀ.ሕ.ሓ.
እወታ - ጽሒፉ ነይሩ እዩ። እወታ-ተሓጒሱ እዩ ነይሩ።
ኣሉታ - ኣይጸሓፈን ነይሩ እዩ። ኣሉታ-ኣይተሓጐሰን እዩ ነይሩ።
ሕቶ - ጺሒፉዶ ነይሩ እዩ? ሕቶ-ተሓጒሱ ድዩ ነይሩ?
- ኣይጸሓፈንዶ ነይሩ እዩ? -ኣይተሓጐሰን ድዩ ነይሩ?
ኣብ ኣሉታ፡ እቲ ቐረባ ሕሉፍ ዝነበረ ናብ ርሑቕ ሕሉፍ እዩ ዚልወጥ። ኣብ ሕቶ፡
እቲ ናይ ጥያቐ ቓል ( ዶ )፡ ከከም እቲ ዚህቦ ትርጉም፡ ብድሕሪ እቲ ቐንዲ ግሲ ወይ
ቀቅድሚ ግሲ ናይ ኵነት ኪኣቱ ይኽእል። “ዶ” ዚብል ናይ ጥያቐ ቓል፡ ምስ ናይ
ኵነት ግሲ ተጸንቢሩ ድማ፡ ድየ፡ ዲኻ፡ ድዩ፡ ድያ፡ ወዘተ... ዚብል ናይ ሕቶ ቓል
የቕውም።

፫. ህልዊ እዋን (ግሲ = ሓረሰ/ኣለመ)

(ሀ) ቀሊል ህልዊ (ቀሊ.ህ) (ለ) ቀሊ.ህ+ኣጣ.


እወታ-ይሓርስ። እወታ-ይሓርስ እዩ።
ኣሉታ-ኣይሓርስን። ኣሉታ-ኣይሓርስን እዩ።
ሕቶ -ይሓርስዶ? ሕቶ -ይሓርስ ድዩ?
-ኣይሓርስንዶ? -ኣይሓርስን ድዩ?
(ሐ) ቀሊ.ህ+ህ.ሓ. (መ) ቀሊ.ህ.+ኣጣ.+ህ.ኣዛ.ሓ
እወታ-ይኣልም ኣሎ። እወታ-ይሓርስ እዩ ዘሎ።
ኣሉታ-ኣይኣልምን ኣሎ። ኣሉታ-ኣይሓርስን እዩ ዘሎ።
ሕቶ - ይኣልምዶ ኣሎ? ሕቶ -ይሓርስ ድዩ ዘሎ?
- ኣይኣልምንዶ ኣሎ? - ኣይሓርስን ድዩ ዘሎ?
(ረ) ኣዛ. ቀሊ.ህ.+ኣዛ.ህ.ሓ+ኣጣ. (ሰ) ቀሊ/ህ+ር/ሕ/ሓ
እወታ-ዚሓርስ ዘሎ እዩ። እወታ-ይሓርስ ነበረ።
ኣሉታ-ዘይሓርስ ዘሎ እዩ። ኣሉታ-ኣይሓርስን ነበረ።

115
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሕቶ -ዚሓርስ ዘሎ ድዩ? ሕቶ -ይሓርስዶ ነበረ?


-ዘይሓርስ ዘሎ ድዩ? -ኣይሓርስንዶ ነበረ?
(ሸ) ቀሊ.ህ.+ቀ.ሕ.ሓ. (ቀ) ቀሊ.ህ+ቀ.ሕ.ሓ.+ኣጣ.
እወታ-ይሐርስ ነይሩ። እወታ-ይሓርስ ነይሩ እዩ። ኣሉታ-ኣይሓርስን ነይሩ። ኣሉታ-
ኣይሓርስን ነይሩ እዩ። ሕቶ -ይሓርስዶ ነይሩ? ሕቶ -ይሓርስዶ ነይሩ እዩ?
-ኣይሓርስንዶ ነይሩ? -ኣይሓርስንዶ ነይሩ እዩ?
(በ) ቀሊ.ህ.+ኣጣ.+ቀ.ሕ.ሓ.
እወታ-ይሓርስ እዩ ነይሩ። ኣሉታ-ኣይሓርስን እዩ ነይሩ። ሕቶ -ይሓርስ ድዩ ነይሩ?
-ይሓርስን ድዩ ነይሩ? ወዘተ…
*እቲ ዚልቀብ ናይ ሕቶ ቓል “ዶ” ብበበይኑ ኣገባብ ኪኣቱ ይኽእል፡ ትርጉሙ ድማ
ዝተፈላለየ ኪኸውን ይኽእል። ንኣብነት፤
ይሓርስዶ ነይሩ እዩ? ሞያኡ ሕርሻ ኣይኮነን ዜስምዕ ሕቶ። ይሓርስ ድዩ ነይሩ? ሞያኡ
ሕርሻ ኽነሱ፡ ኣብቲ ዚጥቀስ ዘሎ እዋን ግና
ኣብ ዕዮ ማሕረስ ተጸሚዱ ምንባሩን ዘይምንባሩን ንምጥላል ዚቐርብ ሕቶ።
ይሓርስ ነይሩ ድዩ? ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሕርሻ ይነጥፍ ከም ዝነበረ ከም
ዘይፈልጥ ዜስምዕ ኣበሃህላ።

፬. መጻኢ እዋን (ክ+ቀሊ.ህ.)(ግሲ-መጽአ/ተዓወተ)፣

(ሀ) ቀሊል መጻኢ/(ክ+ቀሊ.ህ./ቀሊ) (ለ) ቀሊ.መ+ኣጣ.

እወታ- ኪመጽእ። እወታ- ኪመጽእ እዩ


ኣሉታ- ኣይኪመጽእን። ኣሉታ- ኣይኪመጽእን እዩ።
ሕቶ - ኪመጽእዶ? ሕቶ -ኪመጽእ ድዩ?
- ኣይኪመጽእንዶ? - ኣይኪመጽእን ድዩ?
(ሐ) ቀሊ.መ.+ኣጣ.+ኣዛ.ሕ.ሓ. (መ) ቀሊ.መ+ኣጣ.+ቀ.ሕ.ሓ. (መደብ፡ ኣተና፡
ሓሳብ፡ ወዘተ.) (መደብ፡ ሓሳብ፡ ኣተና፡ ወዘተ)
እወታ-ኪመጽእ እዩ ዝነበረ። እወታ- ኪመጽእ እዩ ነይሩ።
ኣሉታ-ከይመጽእ እዩ ዝነበረ። ኣሉታ- ከይመጽእ እዩ ነይሩ። ሕቶ -ኪመጽእ
ድዩ ዝነበረ? ሕቶ - ኪመጽእ ድዩ ነይሩ?
-ከይመጽእ ድዩ ዝነበረ? - ከይመጽእ ድዩ ነይሩ?

116
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

(ረ) ቀሊ.መ.+ይሓስብ፡ ይደሊ፡ወዘተ. (ሰ) ቀሊ.መ+ይሓስብ፡ ይደሊ፡


+ር.ሕ.ሓ. +ቀ/ሕ/ሓ.
እወታ- ኪመጽእ ይሓስብ ነበረ። እወታ- ኪመጽእ ይደሊ ነይሩ። ኣሉታ- ኪመጽእ
ኣይሓስብን ነበረ። ኣሉታ- ኪመጽእ ኣይደልን ነይሩ። ሕቶ - ኪመጽእ ይሓስብዶ
ነበረ? ሕቶ - ኪመጽእ ይደሊዶ ነይሩ?
- ኪመጽእ ኣይሓስብንዶ ነበረ? - ኪመጽእ ኣይደልንዶ ነይሩ?
(ሸ) ናይ ኣሸብሸብ መጻኢ (ቀ) ሕሉፍ ናይ ኣሸበሸብ መጻኢ
ም + ር.ሕ . ም+ር.ሕ+ቀ.ሕ.ሓ
እወታ- ምተዓወተ። እወታ - ምተዓወተ ነይሩ።
ኣሉታ- ኣይምተዓወተን። ኣሉታ - ኣይምተዓወተን ነይሩ።
ሕቶ - ምተዓወተዶ? ሕቶ - ምተዓወተዶ ነይሩ?
- ኣይምተዓወተንዶ? - ኣይምተዓወተንዶ ነይሩ?
መጻኢ እዋን ብህልዊ እዋን እናተተክኣ ዚዝውተረሉ ኣገባብን ኵነትን’ውን ኣሎ።
ብመጻኢ እዋን ብህልዊ እዋን
እወታ- ሎም ምሸት ክገይሽ እየ። እወታ -~እገይሽ ኣለኹ። ኣሉታ- ሎም ምሸት
ኣይክገይሽን’የ። ኣሉታ - ~ኣይገይሽንኣለኹ።
-ሎም ምሸት ክገይሽኣይኮንኩን። - ~እገይሽየለኹን። ሕቶ - ሎም
ምሸት ክገይሽ ድየ? ሕቶ - ~እገይሽዶኣለኹ?
-ሎም ምሸት ክገይሽዶኣይኮንኩን? ~እገይሽዶየለኹን።
ብመጻኢ እዋን ብህልዊ እዋን
እወታ- ጽባሕ ኪመጽእካ እዩ። እወታ -~ይመጽኣካ ኣሎ።
ኣሉታ- ጽባሕ ኣይኪመጽእካንእዩ። ኣሉታ - ~ኣይመጸካንኣሎ።
-ጽባሕ ኪመጽእካ ኣይኮነን። ~ይመጸካየሎን።
ሕቶ - ጽባሕ ኪመጽእካ ድዩ። ሕቶ - ~ ይመጸካዶ’ሎ?
-ጽባሕ ኣይኪመጽእካንድዩ? ~ኣይመጸካንዶ’ሎ።
-ጽባሕ ኪመጽእካዶኣይኮነን? ~ይመጸካዶየሎን?
በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ኣገባባት፡ ሓደሓደ ግዜ ነቲ ዋና ግሲ፡ ሓደሓደ ግዜ ድማ ነቲ
ሓጋዚ ግሲ ናይ ኣሉታን ሕቶን መልክዕ ብምልባስ፡ ዝተፈላለየ ትርጉምን ላዛን ዘሎዋ
ዓረፍተ ነገራት ንምህናጽ ይክኣል።
እወታ- ኣይሓመቐን፡ ገና ይሓርስ ኣሎ። ኣሉታ- ስለ ዝሓመቐ ኣይሓርስን ኣሎ።

117
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

- እንታይ ኪሓርስ ደኣ… ይሓርስ የሎን! ሕቶ- ኣይሓርስንዶ ኣሎ?

- እንታይ ኣሕሚቕዎ … ይሓርስዶ የሎን?


*ኵሉ ኣብ ወሽጢ ሓደ ዓረፍተነገር ዚርከብ ሓጋዚ ግሲ፡ ብመልክዕ ኣሉታን
ሕቶን ኪዝውተር ዚክኣል ከም ዘይኮነ ግና ምስትብሃል የድሊ።
ፍልልይን ተመሳሳልነትን ናይ ኣጠቓቕማ ግሲ ኣብ መንጎ ትግርኛን እንግሊዝኛን።
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተወ'ክአ፡ ትግርኛ፡ ከም ዝኾነ ኻልእ ቋንቋ ናቱ ፍሉይ ላዛን ቅሻረትን
ኣሎዎ። በዚ መለለዪኡ ኣቢሉ ድማ እዩ ኣድማዒ ውጽኢት ኪህብ ዚኽእል። ኣብዚ
እዋን’ዚ፡ እቲ ቛንቋ ምስ ካልእ ቋንቋ ይራኸብን ይዋሳእን ስለ ዘሎ፡ ብኡ ኺጽሎ ንቡር
እዩ። እቲ ጽልዋ ገሊኡ ዚጠቕሞን ዜማዕብሎን፡ ገሊኡ ግና ንህላወኡ ኽሳዕ ዜስግእ
ንባህሪኡ ንምድምሳስ ዚደናደን ኮይኑ ይርከብ። እዚ ዅነት’ዚ፡ ብንጹር ኪልለን ክንዮኡ
ድማ ኪእለን የድሊ። እቲ ፍሉይ ቅሻረትን ላዛን ናይ ትግርኛ፡ ንኻልእ ቋንቋ ንምርዳእን
ንምስትምቓርን ዚሕግዝ ስለ ዝኾነ፡ ኪዕቀብ ይግባእ። ቀጺሉ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ብሓጺሩ
ኺግለጽ ዝተፈተነ ኣበሃህላ ንሓቅነቱ ዜረጋግጽ፡ ንትግርኛ ምስ ቋንቋ እንግሊዝኛ
ብም'ድራግ ዝተዘርዘረ ኣብነታት እንሆ። ንምርዳኡ ምእንቲ ኺሕግዝ፡ በቲ ኣብ ሰዋስው
እንግሊዝኛ ዝተዋህበ ኣከዋውማ ተሰሪዑ ኣሎ።
፩. (ሀ) ቀሊል ሕሉፍ እዋን (The simple past tense)

- I met him yesterday. (ትማሊረኸብክዎ።) ትማሊ ረኺበዮ/እየ


ረኺበዮ/ነይረ/ነይረ እየ።

- Bairu died in 1952. (ባይሩኣብ1952ሞተ።) ባይሩ ብ1952 ሞይቱ/ሞተ/እዩ


ሞይቱ/እዩ ዝሞተ።

- When did you meet him? መኣስ ረኺብካዮ/ረኺብካዮኔርካ/ኢኻ ረኺብካዮ?/


ረኸብካዮ?

- The train was ten minutes late (እታባቡርዓሰርተደቓይቕድንጕይቲነበረት።)


እታ ባቡር ዓሰርተ ደቂቕ ደንጒያ/ደንጒያነይራ/ደንጒያነበረት/እያ ደንጕያ
ነይራ/ደንጐየት። (ለ) ሕሉፍ ቀጻሊ እዋን ( The past continuous tense )

- I was working. እሰርሕ ነይረ/ነበርኩ/ክሰርሕ ጸኒሐ/እሰርሕ እየ ነይረ/እየ


ዝነበርኩ።

118
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

- It was getting darker


(ምድሪ)እናመሰየኸደ/እናመስየይኸይድነበረ/ይመሲነበረ/ነይሩ/ይመሲእዩነይሩ/
እናመሰየእዩዚኸይድነይሩ።

- He was having breakfast. ይቘርስ ነይሩ/እዩ ነይሩ/ቍርሱ ይበልዕ ነበረ/ይበልዕ


እዩ ነይሩ።

- He was always working.


ወርትግ ይሰርሕ ነይሩ/ነይሩ እዩ/ እዩ ዝነበረ/ እዩ ዚሰርሕ ዝነበረ/ኣብ ስራሕ ምስ
ተጸምደ እዩ ዝነበረ።
(ሐ) ሕሉፍ ፍጹም እዋን (The Past perfect tense)

- When they arrived there, the train had just left.


ኣብኡብዝበጽሑ፡እታባቡርዛጊትተበጊሳነይራ/ነበረት/ጸንሓቶም።
(መ) ሕሉፍ ፍጹም ቀጻሊ እዋን(The past perfect continuous tense)
-He was tired, because he had been working since dawn.
ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ኺሰርሕ ስለ ዝወዓለ ደኺሙነይሩ/ ነበረ/እዩ ነይሩ/ እዩ ዝነበረ።
፪. (ሀ) ቀሊል ህልዊ እዋን (The simple present tense)
-He works. ይሰርሕ / ይሰርሕ እዩ።
-He works in a factory.
ኣብ ሓደ ፋብሪካ ይሰርሕ /እዩ ዚሰርሕ።

-(ኣብ)It ክረምቲ
rains in summer.
ይዘንም / ይዘንም እዩ /እዩ ዚዘንም።
(ለ) ህልዊ ቀጻሊ እዋን ( The present continuous tense )

- I’m working. እሰርሕ ኣለኹ / እየ ዘለኹ።


- Why are you sitting at my desk? ሰለምንታይ ኣብ ጠረቤዛይ ትቕመጥ
ኣለኻ?/ተቐሚጥካ ኣለኻ?

- I’m meeting Abrehet this evening.


119
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሎም ምሸት ንኣብርሀት ክረኽባ እየ/እረኽባ ኣለኹ።


(ሐ) ህልዊ ፍጹም እዋን(The present perfect tense)

- I have worked. ሰሪሐ/ሰሪሐ እየ/ኣለኹ።


- Where have you been?
ኣበይ ኔርካ/ ጸኒሕካ/ኢኻ ኔርካ?

-እቲ Iመጽሓፍ
have read the books.
ኣንቢበዮ/ኣንቢበዮ ኣለኹ/እየ

- He hasn't come yet.


ገና ኣይመጸን/ ኣይመጸን ኣሎ/ ኣይመጽአን እዩ ዘሎ።
(መ) ህልዊ ፍጹም ቀጻሊ እዋን ( The present perfect continuous tense )

- I have been waiting for an hour. ንሓደ ሰዓት ዚኣክል ክጽበ እየ


ጸኒሐ/ክጽበ ጽኒሐ (ኣለኹ)።

- Have you been waiting long? ሓያሎይ ክትጽበዶ ጸኒሕካ?/ክትጽበ


ጸኒሕካዶ ኣለኻ?

-ክዅሕኵሕ
I have been knocking.
ጸኒሐ/ጸኒሐ ኣለኹ/እየ ጸኒሐ።
3. ናይ መጻኢ ኣገባባት( Future forms )
(ሀ) ቀሊል ህልዊ (Simple Present)

- I leave next week


ዚመጽእ ሰሙን እየ ዝገይሽ/ክገይሽ ተመዲቡ ኣሎ/ምጋሸይእዩ።

- We leave at eight, arrive in Massawa at ten and have lunch at


Gurgusum at noon.
-ሰዓት ሸሞንት ንብገስ፡ ሰዓት ዓሰርተ ኣብ ባጽዕ ንበጽሕ፡ ፍርቂ መዓልቲ ድማ ኣብ
ግርጉሱም ንምሳሕ።

120
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

-ሰዓት ሸሞንተ ተበጊስና፡ ሰዓት ዓሰርተ ኣብ ባጽዕ በጺሕና፡ፍርቂ መዓልቲ ድማ ኣብ


ግርግሱም ንምሳሕ።
(ለ) ክ+ግሲ+ኵነት/ኵነት+ኣዛማዲ ግሲ (Will + Infinitive)

- I’ll drive you there.


-ናብኡ ኸብጽሓካ እየ።(ንምብጻሕዜጣልል)። -ናብኡ እየ ዘብጽሓካ።(ንቦታዜጣልል)

- I’ll leave tonight.


-ሎም ምሸት ክብገስ እየ።(ንምብጋስዜጣልል)
-ሎም ምሸት እየ ዝብገስ።(ንእዋንዜጣልል)
(ሐ) ህልዊ ቀጻሊ/ቀሊል መጻኢ ( The present continuous )

- I’m going to the sea side.


-ናብቲ ገምገም ባሕሪ እኸይድ ኣለኹ።
-ናብቲ ገምገም ባሕሪ ክኸይድ እየ።

- What are you doing next Saturday?


-ዚመጽእ ዘሎ ቐዳም እንታይ ክትገብር ኢኻ/ትሓስብ?
-ንዚመጽእ ዘሎ ቐዳም እንታይ መደብ ኣሎካ?

- I’m leaving tonight.


-ሎም ለይቲ ክኸይድ እየ/እኸይድ ኣለኹ
-ሎም ለይቲ ምኻደይ እየ።
(መ) ዝተፈላለየ ናይ ትግርኛ ናይ "መጻኢ እዋን ኣገባብ"
(The “be going to” form)።
-I’m going to buy a car.
-ማኪና ኽዕድግ እየ/ማኪና እየ ዝዕድግ።
-ማኪና ኽዕድግ እኸይድ ኣለኹ።
-He is going to be a musician when he grows up.
-ምስ ዓበየ ሙዚቀኛ ኪኸውን እዩ/እዩ ዚኸውን/እዩኺኸውን።
-It is going to rain.

- (ማይ) ኪዘንም’ዩ ግዲ/ከይዘነመ ኣይኪተርፍን’ዩ።


-ኪዘንም እዩ/ምዝናሙ እዩ።

121
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

-I will write to Ato Tekle and I’ll inform him about the matter.
-ንኣቶ ተኽለ ደብዳበ ጽሒፈ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክነግሮ እየ።
-I’ll be writing to Ato Tekle and I’ll inform him about the matter.
-ንኣቶ ተኽለ ሓደ ደብዳበ ኽጽሕፈሉ እየ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ድማ ኽነግሮ እየ።
*እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ኣብነታት፡ ነፍስወከፍ ቋንቋ ናይ ገዛእ-ርእሱ ባህርን ኣገባብን
ከም ዘሎዎ፡ ናይ ግሲ እዋን ድማ ብመንጽር እቲ ዘዚምልከቶ ቛንቋ ኪርአን ኪትንተንን
ከም ዚግባእ ብጕሉሕ የርኢ።

፭ ተውሳኸ ግሲ

ተወሳኸ-ግሲ፡ ሽሙ ኸም ዚሕብሮ፡ ንግሲ፡ ከምኡ ድማ ንኻልእ ተውሳኸ- ግስን


ንቕጽልን ነቲ ትርጉሙ ብምጕላሕ፡ ቦታ፡ እዋን፡ ኣገባብ፡ ኵነት፡ ወዘተ. ይገልጽ። ከመይ
፡ ስለምንታይ፡ መኣስ፡ ከመይ ገይሩ፡ ብኸመይ መገዲ /ኣገባብ/ ወዘተ…ንዚብል ሕቶ
ድማ ምሉእ ምላሽ ይህብ። ዓይነት ተውሳኸ-ግሲ፤
1. ናይ ኣገባብ ተ/ግሲ። 5. ናይ ምኽንያት ተ/ግሲ።
2. ናይ ቦታን ኣንፈትን ተ/ግሲ። 6. ኣጣላሊ ተ/ግሲ።
3. ናይ እዋን ተ/ግሲ። 7. ናይ ሕቶ ተ/ግሲ።
4. ናይ ዓቐን ተ/ግሲ።

፩. ናይ ኣገባብ ተውሳኸ-ግሲ እዚ፡ ክልተ ኽፋል ይሕዝ፤

(ሀ) ብመስተዋድድ “ብ” ምስ ስም ተጸንቢሩ ዝቖመ ተውሳኸ ግሲ። ንኣብነት፤


ብፍጥነት፡ ብጥንቃቐ፡ ብሕቡእ፡ ብሰላሕታ፡ ወዘተ…
ብሓጐስተቐበልክዎ። ብነድሪኣይትመልሸሉ። (ለ) ካብ ኣንክሮኣዊ ቓል ወይ ሌጣ ግሲ
ዝነቐለ፡ ምስ ቀረባ ሕሉፍ ናይ ግሲ “በለ” ብምጽንባር ዝቖመ ተወሳኸ ግሲ። ንኣብነት፤
ቀስ ኢላ፡ ህውኽ ኢሉ፡ ረማዕ ኢሉ፡ ወዘተ….
ቀስ ኢልኩም፡ተጠንቂቕኩም ስርሑ።
ኣይትትሃወኽ፡ ረማዕ ኢልካ ወድኣዮ።
*(ሀ) ወ (ለ) ተመሳሳሊ እዩ። እንተኾነ ግዳ ኣብ ዘረባ ይኹን ኣብ ጽሑፍ፡ ሓዲኡ
ምምራጽ ግድነት ይኸውን። “ህውኽ ኢሉ ተዛረበ" ወይ "ብታህዋኽ ተዛረበ" ኺብሃል
ዚክኣል እዩ። እቲ ምርጫ ግና ኣብ ትሕዝቶ ናይቲ ኺምሓላለፍ ዝተደልየ መልእኽትን
ስምዒትን፡ ኣብ ኣድማዕነት ናይቲ ዓረፍተነገርን ይምርኰስ።

122
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

(ሐ) ብቕድሚኡ “እና” ዚብል ጥባቕ ብዘሎዎ ግሲ ዝቖመ ተወሳኸ- ግሲ'ውን ኣሎ።
እዚ ንኻልእ ግሲ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝተኸስተ ወይ ዝተተግበረ ንምጕላሕን
ንምንጻርን ይዝውተር።
እናዘለለኸደ። እናሓሰበተጓዕዘ።
እናሰሓቐ ነገረኒ። እናተሃወኽካኣይትብላዕ።
እናጸበበ ዚራኸብ። እናተጸወግኩምኣይትጠምቱ።
መ) ከም ቦዝ ግሲ ዚዝውተር ቀረባ ሕሉፍ፡ ንኻልእ ግሲ ብምጕላሕ ናይ ተወሳኸ ግሲ
ባህሪ ይለብስ።
ዘሊሉጐበጠ። ተጣቢባኣድሒናቶ።
ኣዘንጊዕካሓዞ። ኣቀባጢርናነርድዮም።
ተወርዊሩኪቘልቦ። ተወንጪፉተወርወረ።
*እቲ ብወይናይ ዝደመቐ ቓል ተውሳኸ ግሲ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ እቲ ዚጐልሕ
ግሲ እዩ።
(ረ) ብኣመልካቲ ሓረጋዊ ተውላጠስምን ብሓጋዚ ግስን ዝቖመ ተውሳኸ ግሲ፤
ከምዚ ኢሉ /ኣቢሉ/ገይሩ/…፡ ከምቲ ኢሉ /ኣቢሉ/ገይሩ/…፡
ከምኡ ኢሉ /ኣቢሉ/ገይሩ/…፡ ወዘተ... በዚ/በቲ ኢሉ/ ኣቢሉ/ ገይሩ/
ከምዚ ኣቢልካ ጥወዮ። ከምቲ ጌርካ ስርሓዮ።
ከምኡ ኢሉ ሓደረ። በዚ ኣቢሉ ኸደ።
በቲ ጌርኪ ስርሕዮ።

፪. ናይ ቦታን ኣንፈትን ተውሳኸ-ግሲ/ተውሳኸ ግሳዊ ሓረግ፣

ኣበይ፡ ናበይ፡ በየን፡ በበይ፡ ወዘተ፡… ንዚብል ሕቶ ይምልሽ። ካብኡ ሒደት ንምርቋሕ
፡ ኣብዚ፡ ኣብቲ፡ ናብዚ፡ ናብቲ፡ በዚ፡ ንየው፡ ነጀው፡ ክንየው፡ ክነጀው፡ ንቕድሚት፡
ንሰሜን፡ ወዘተ…
ኣብዚኣሎ። ብድሕሪትኣኳለመ።
ክንየው ሰገረ። ንሰሜን ገጹ ኸደ።
ብውሽጢሰለዀ። ኣብ ገለ ሸነኽ ይርከብ፡ ወዘተ…

፫. ናይ እዋን ተወሳኸ-ግሲ

123
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

መኣስ፡ ኣበየናይ ግዜ፡ ክንደይ ሳዕ፡ ወዘተ… ንዚብል ሕቶ ይምልሽ። ካብኡ ሒደት
ንምርቋሕ፡ ሎሚ፡ ጽባሕ፡ ንዓመታ፡ ሎምዘበን፡ ብኡንብኡ፡ ሳሕቲ፡ ወርትግ፡ እና_ኸሎ፡
ወዘተ…
(ሀ) ንፍሉይ እዋን፤
ሎምዘበንተመርዕዩ። ኣጋ ዕራርቦ ኣተወ።
ጸኒሑተቐልቀለ። ሰዓት ሓደ ተመስሐ።
ደርሆ ነቆ ተበራበረ። ብኡንብኡተመልሰ።
እናሰርሐ ኸሎ ሃዊኽዎ። ንጽባሒቱ ኣርከበ።
ምስ ተሓከመ ሓውዩ። ወዘተ...
(ለ) ንተደጋጋሚ ተግባር፤
ኵሉ ሳዕ ይጋገ። ሳሕቲ ይራኸቡ።
ሰለስተ ሳዕ ነገርክዎ። ብተወሳኺ ኣሎ።
ሰሰትዩ ይርብሽ። እንተላይይደርፍ።
ወትሩ የሸግር። *ፈጺሙ/ከቶኣይጃጀወን። ወዘተ…
ሓንሳእ መጺኡ።

፬.ናይ ዓቐን ተወሳኸ-ግሲ

ክንደይ፡ ክንድምንታይ፡ ክንድይ ዚኣክል፡ ንዚብል ሕቶ ይምልሽ። ገለ ኻብኡ ንምርቋሕ፤


ኣዝዩ፡ ምሒር፡ ቍሩብ፡ ኣመና፡ ብጥራሽ፡ ብዘይ መጠን፡ ብውሕዱ፡ ብመጠኑ፡
መብዛሕትኡ፡ ን___ ዚኣክል፡ እምብዛ፡ ዋላ ሓንቲ፡ ብምሉኡ፡ ፍርቁ፡ ብኸፊል፡ ፍርቅ-
ፍርቂ፡ ማዕር-ማዕረ፡ ላንግላንጋ፡ ረምበዞ፡ ጓዛ፡ ወዘተ… ዚብል ይርከቦ።
ምሒርሰተየ። እምብዛተሃዊኽኪ።
ላንግላንጋተሪፎም። ብፍጹምኣይለኸፈን።
ቍሩብ ቅር ኢሉና። ክንድኡጥራይ ኣኽፊሉካ?
ኣመናበዚሑ። ማዕረማዕረኡጐየየ። ወዘተ...

፭.ናይ ምኽንያት ተውሳኸ-ግሲ

እዚ ተወሳኸ-ግሲ'ዚ፡ ምኽንያት ይገልጽ። ስለምንታይ፡ ንምንታይ፡ እቲ ምኽንያት


እንታይ እዩ፡ ወዘተ… ንዚብል ሕቶ ድማ ምላሽ ይህብ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ
ተወሳኸ-ግሲ ንባዕሉ ብመስተዋድድን ብተውላጠስምን ዝተደኰነ ንኡስ ሓረግ እዩ።

124
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

በዚ ምኽንያት’ዚ ገዲፈዮ። ብሰንኩተገድዐ።


ሳላኹምሰሊጡና። ስለዚኣይተዓወተን።
ስለ ዝኾነ ኣይተስማምዑን። በዝንወድዝን ተዓናቒፉ ተረፈ።
ምእንታናተጸገመ። ንርእሰኻ ኽትብል ዕየ።
ስቕ ኢሉ ጸሊኡኒ። ብነብሱደስ ኣይበሎን።
ለከ’ንዶ ግዳ ፈሪሁ! ወዘተ...

፮. ኣጣላሊ ተውሳኸ ግሲ፡

እዚ ተወሳኸ-ግሲ'ዚ፡ ነቲ ብግሲ ዚግለጽ ንጥፈት ወይ ኵነት የረጋግጽ ወይ የጣልል።


ብርግጽ፡ ብሓቂ፡ እማን፡ እሂናይ ደኣ፡ ብዕድል፡ እምበር… ፡ እወ እባ፡ እባ ደኣ፡ እባ
ኸኣ፡ ኣይፋልን፡ እንድዕሉ፡ ኣሸምባይዶ፡ ም___፡ ወዘተ...ዚብል ቃላት ኣብ ትሕተኡ
ይጥርነፍ።
እቲ መደብ ብዕድል ኣይተጀመረን። ኣበጆኡገበረ!
እሂናይ ደኣ ዘይፈትዎ! ብርግጽክትዕወት ኢኻ።
ምናልባሽ እንተመጸ... ናይ ብልብኻ ዲኻ?
ዳርጋውዒልዎእዩ። ሓቅኻዲኻ?
እባ ደኣ ክኸፍለልካ ኢኻደሊኻ! እወገይርዎ።
ሓቂ ብሓቅስ ተዓዊቱ? እምቢኢሉና።
እወሓስአግብእዘየድልዮጕዳይ። ምፈተዎነይሩ።ወዘተ...

፯. ናይ ሕቶ ተውሳኸ-ግሲ

እዚ ኽፋል'ዚ፡ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ግሲ ዚዝውተር ቃል እዩ። ግዜ፡ ቦታ፡ ብዝሒ፡


ኣገባብ፡ መጠን፡ ምኽንያት፡ ብእወታ ወይ ብኣሉታ ምላሽ ንምፍላጥ ድማ ይጠቅም።
ግዜ - መኣስ፡ እንታይ እዋኑ፡ ኣሻብ፡ ካብ መኣስ፡ ክሳዕ መኣስ፡ ኣበየናይ ህሞት፡ ወዘተ...
ቦታ - ኣበይ፡ ናበይ፡ ካበይ፡ በበይ፡ በየን፡ ክሳብ ኣበይ፡ ናበይ ናበይ፡...
ቍጽሪ - ክንደይ፡ ክንደይ ሳዕ/ ግዜ/ እዋን/ መዓልቲ፡ ወዘተ… ኣገባብ - ከመይ፡
ከመይ ኢሉ/ ገይሩ/ ኣቢሉ፡ ብኸመይ መገዲ/ ኣገባብ ወዘተ... መጠን - ክንደይ፡ ክንደይ

125
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ዚኣክል/ዚኸውን፡ ክንድምንታይ፡ ወዘተ… ምኽንያት - ንምንታይ፡ ስለምንታይ፡


ብምንታይ ምኽንያት፡ ስቕ ኢሉ ኣብኡ ኸሎ፡… ሒደት ኣብነት ቀጺሉ እንሆ፣
ከመይመጸ? እንታይእዋንካመጻእካ?
ብኸመይ መገዲተሰርሐ? መኣስመጺኡ?
ክንደይ ዚኣክል ወሲድኪ? ናበይ ከድካ?
ንምንታይትኽልክሎ? ክንደይሂብካያ?
ከመይ ኢሉ ጨኪኑ? ክንድምንታይይኸውን?ኣበይኣሎ?
ስለምንታይዘይትህቦ? በየናይከይዳ?

መወሰኽታ

ብዙሕ ግዜ "ምስ“ ዚብል መስተዋድድ ምስ ኣጣላሊ ተውሳኸግሲ "ም + (ርሑቕ


ሕሉፍ
ግሲ)“ ኣብ ዝርርብ ኮነ ኣብ ጽሑፍ ኪዘባረቕ ይስማዕ እዩ። ንኣብነት፤
ጌጋ- እንተ ትፍትን ምስተዓወትካ ኔርካ።(ትርጉም ኣልቦ) ቅኑዕ- እንተ ትፍትን
ምተዓወትካ ኔርካ።(ኣጣላሊ ተውሳኸግሲ) ቅኑዕ- ኣብ ዓዲ ምስ በጻሕካስልኪ
ደውለለይ።(ናይ እዋን ተውሳኸ ግሲ) ከምኡ ድማ ናይ ኣገባብ ተውሳኸ ግሲ "እና +
(ርሑቕ ሕሉፍ ግሲ)" ምስ ናይ ሓባር
ስም "እንዳ" ተደናጊሩ ይዝውተር። ንኣብነት፤
ጌጋ- ናብቲ ክሊኒክ እንዳ ተመላለሰ እዩ ዚሕከም። (ትርጉም ኣልቦ) ቅኑዕ- ናብቲ
ክሊኒክ እናተመላለሰ እዩ ዚሕከም። (ናይ ኣገባብ ተውሳኸግሲ) ቅኑዕ- ኣብዚ
እናኺመጽእ የዕገግር። ቅኑዕ- ናብቲ እንዳ ሻሂ ኪድ'ሞ ቝረስ። ቅኑዕ- ዑፍ እንዳኣ
ተጻባኢ ኣብ ዘየርክቦ ትሰርሕ። ቅኑዕ- በዓልቲ-እንዳኡኸ ደሓንዶ'ላ?

፮ መስተዋድድ

መስተዋድድ፡ ምስ ስም፡ ተውላጠስም ወይ ቅጽል እናተዘውተረ ሓረግ ብምቛም፡ ቦታ፡


ግዜ ወይ ካልእ ተዛምዶ ዚገልጽ ክፍሊ ንግግር እዩ። ንኣብነት፤
ልዕሊ ክንየው ብልዕሊ ምስ
ናብ ትሕቲ ክነጀው ብውሽጢ
ኣብ ካብ ብዛዕባ ማዕዶ

126
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ዳርጋ ጥቓ ከም ኣብ መንጎ
ካብ ስግር ማዕረ ብ ናይ ወዘተ...
(ሀ) ሓንቲ በራድ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰደቓ ነበረት።
(ለ)ኣብ ጕንዲ ገዛና ሓንቲ ዓባይ ኦም ኣውሊዕ ኣላ።
(ሐ)ፈለግ ኒል ካብደቡብ ናብሰሜን ይውሕዝ።
(መ)ድሕሪብዙሕ ግዜ ምስኣ ተላለየ።
፩. መስተዋድዳዊ ሓረግ
እዚ ብመስተዋድድ ጀሚሩ፡ ብስም ወይ ብተውላጠስም ዚውዳእ ክፋል ናይ ሓደ
ዓረፍተነገር እዩ። እቲ ኣብቲ ሓረግ ዚርከብ ስም ወይ ተውላጠስም፡ ናይቲ መስተዋድድ
ተሳሓቢ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንኣብነት ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተዋህበ ዓረፍተነገራት እቲ
ተሳሓቢ እዚ ዚስዕብ እዩ፤
(ሀ)ሓንቲ በራድ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰደቓ ነበረት።
(ለ)ኣብ ጕንዲ ገዛና ሓንቲ ዓባይ ኦም ኣውሊዕ ኣላ።
(ሐ) ፈለግ ኒል ካብደቡብ ናብሰሜን ይውሕዝ። (መ)ድሕሪብዙሕ ግዜ ምስኣ ተላለየ።
ናይ መስተዋድድ ተሰሓቢ፣
(ሀ)ሰደቓ (ለ)ገዛና
(ሐ)ደቡብ፡ ሰሜን (መ)ግዜ፡ ንሳ(ተለቃቢ ተውላጠስም)
መስተዋድድ ኣብ መንጎ ተሳሓቢኡን፡ ካልእ ኣብቲ ዓረፍተነገር ዚርከብ ቃልን ዘሎ
ዝምድና ይገልጽ። ንኣብነት፣
(ሀ)ሓንቲ በራድ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰደቓ ነበረት።
(ለ)ኣብ ጕንዲ ገዛና ሓንቲ ዓባይ ኦም ኣውሊዕ ኣላ።
(ሐ) ፈለግ ኒል ካብደቡብ ናብሰሜን ይውሕዝ።
(መ)ድሕሪብዙሕ ግዜ ምስኣ ተላለየ።
“ ኣብ ልዕሊ” ዚብል ቃል፡ እታ በራድ ብመንጽር እቲ ተሳሓቢኡ ዝኾነ
ሰደቓ ኣበይ ከም ዘላ እዩ ዚሕብር።
“ ኣብ ጕንዲ” ዚብል ቃል፡ እታ ኦም ኣውሊዕ ብመንጽር እቲ ተሰሓቢኡ
ዝኾነ ገዛ ኣበይ ከም ዘላ እዩ ዚሕብር።
“ ካብ” ዚብል ቃል፡ እቲ ተሳሓቢኡደቡብመበገሲ ፈለግ ኒል ምዃኑ “ ናብ”
ዚብል ቃል ድማ እቲ ተሳሓቢኡሰሜንኣንፈት ዋሕዙ ምዃኑ ይሕብር።
“ ድሕሪ ” ነቲ ተሰሓቢኡ ዝኾነግዜ ብዙሕ ጸኒሑ ምኽሳቱ፡ “ምስ” ዚብል
መስተዋድድ ከኣ ነታ ናቱ ተሰሓቢት ዝኾነት “_ኣ” (ንሳ) ኣብቲ ዝተጠቕሰ እዋን
ሓደ ሰብ (ተላለየ) ከም ዝተላለያ ይሕብር።

127
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሓደ መስተዋድዳዊ ሓረግ፡ ንጽል ወይ ድርብ ተሳሓቢ ኺህልዎ ይኽእል። ብጀካዚ፡


ምስቲ መስተዋድድን ተሳሓብን ንኡ ዚገልጽ ለዋጢ ቓል ኪኣትዎ’ውን ይኽእል።
ንኣብነት፡
ኣኸበኛ፡ ብዛዕባጸገም ቍጠባን ሽቕለትን ዘተዩ። እቲ ብዓልወንጫር ጐተና መንእሰይ
የዕገርግር ኣሎ።
ኣብቲ ቐዳማይ ዓረፍተነገር ቍጠባን ሸቕለትን ድርብ ተሳሓቢ እዩ። ኣብቲ ኻልኣይ
ድማ ወንጫር ዚብል ቅጽል ነቲ “ጐተና” ዚብል ተሳሓቢ ዚገልጽ ለዋጢ ቓል እዩ።
ኣብ ሓደ ዓረፍተነገር፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ መስተዋድዳዊ ሓረግ ኪህሉ ይኽእል። ንኣብነት፤
ብድሕሪ እቲ ሰልፊ፡
እቲ ተሳታፊ ናይቲ በዓል ዝነበረ ህዝቢ፡
እናተኸተለ ናብ ቅርዓት ናይቲ ኸተማ ወሓዘ።

፪. ፍልልይ ኣብ መንጎ መስተዋድድን ተውሳኸ-ግስን

ብርክት ዝበለ ኸም መስተዋድድ ዚዝውተር ቃላት፡ ናይ ተውሳኸ-ግሲ ተግባር'ውን


የንጸባርቕ። እቲ ፍልልይ፡ ኣብቲ ዓረፍተነገር ብዘሎዎ ዝምድና እዩ ዚልለ። ኣብ ቅድሚ
ገዛና ሓንቲ ድኳን ኣላ። (ናይ ቦታ መስተዋድድ) ቅድሚ ሕጂ መጺእካዶ? (ናይ ግዜ
ተውሳኸ ግሲ)
ኣብቲ ቐዳማይ ዓረፍተነገር፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ዚብል ድርብ ቃል፡ ዝምድናኡ ምስቲ
“ገዛና” ዚብል ስም ኮይኑ፡ ናይ መስተዋድድ ዕማም እዩ ዚፍጽም ዘሎ። ኣብቲ ኻልኣይ
ግና፡ እቲ ቕድሚ ሕጂ ዚብል፡ ምስቲ ብድሕረኡ ዚስዕብ ግሲ “መጺእካዶ?” ተሳንዩ
ተውሳኸ-ግሲ ኣቚሙ ኣሎ።
ሓደሓደ ግዜ መስተዋድድ ዚመስል ቃል ምስ ግሲ ጠቢቑ ይዝውተር እዩ።
ንኣብነት፡
ንበርሀ ሃቦ (መስተዋድድ) ንኺገይሽ ወሰነ (ተውሳኸ ግሲ)
*መስተዋድድ ምስ ስም፡ ተውላጠስም ወይ ቅጽል ይዝውተር፡ ተውሳኸ ግሲ ድማ
ምስ ግሲ ይዝውተር።

፫. መስተዋድዳዊ ሓረግን ግስን

ንግሲ ዚገልጽ መስተዋድዳዊ ሓረግውን ኣሎ። ንኣብነት፤

128
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

እቲ ፈገር ኣብ ከውታ መጽአ፡ (እዋን)


ነቲ ማዕጾ ብመልቀ ኸፊቱ ኣተወ፡ (ኣገባብ)
ሰላሕ እናበለ ድማ ናብቲ ቤት-መደቀሲ ገጹ ሰጐመ (ኣንፈት)
እዚ ሓረጋት እዚ፡ ንግሲ ዚገልጽ ስለ ዝኾነ፡ ናይ መስተዋድዳዊ ሓረግ ተወሳኸ-ግሲ
ኺብሃል ይክኣል።

፬. ኣጠቃቕማ መስተዋድድ

ኣብ ዓረፍተነገር፡ መስተዋድድ ብጥንቃቐን ብትኽክልን ኪዝውተር ይግባእ። ከመይሲ፡


መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብሰንኪ ኣብ ኣጠቓቕማኡ ዚፍጸም ሸለልትነት ንትሕዝቶ ድርሰት
ኪድውኖ ስለ ዚስትብሃል። ኣብዚ ዚስዕብ ዝርዝር፡ ሒደት ካብቲ ብተደጋጋሚ ኣብ
ድርሰት ብጌጋ ዚዝውተር መስተዋድዳት፡ እቲ ግቡእ ኣተኣታትዋኡ ኸመይ ኪኸውን
ከም ዚግባእ ዚሕብር ኣብነት እንሆ፤
ናብ- ኣንፈት ወይ ጐዕዞ የመልክት። ግና ብዙሕ ግዜ ምስቲ “ኣብ” ዚብል መስተዋደድ
እናተደናገረ ይዝወተር።
ናብ ምጽዋዕ ገሸ። ናብ ምጥራዕ ጐየየ።
ናብ ኵሉ ዘርግሓዮ። ናብ ቀደሙ ተመልሰ።
ኣብ- ኣብ ሓደ ቦታ ወይ እዋን ከም ዝተኸስተ፡ ዝበጽሐ፡ ዘሎ፡ ዝነበረ፡ ወዘተ.
ይሕብር።
ኣብ ኣስመራ በጽሐ። ኣብ 1959 ተወልደ።
ኣብ ቅድድም ተዓወተ። ኣብ ግዜ ሕርሲ።
ዕግርግር ኣብ ዕዳጋ። ኣብ እዋን መግዛእቲ።
ናይ- ዋንነት ናይ ዝተፈላለየ ነገር ወይ ኩነት ይገልጽ፤
ሕጻናት ናይ ሎሚ ዕምባባ ናይ ጽባሕ ፍረ እዮም።
ናይ ሎሚ መደብ ፍልይ ዝበለ ኺኸውን'ዩ።
ናይታ ሃገር መራሒ።
ካብ- መበገሲ የመልክት።
ካብ ዓድንግሊዝ ዝመጽአ።
ካብ 1959 ጀሚሩ ዝነበረ እዩ።
ካብ ጽልኢ ዝተላዕለ እዩ።
ካብ እዋን ናጽነት ንነጀው...
ን- ንተሳሓብን ንግስን ዜዛምድ፡

129
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ንኣብነት ሓንቲ ጥቐስ።


ንመስከረም ተቛጺሩ ኣሎ።
ንኣና እያ እትግባእ።
ንሓላልካውሰዳ
ብ- መጋበርያ፡ ምኽንያት፡ ኣገባብ፡ ኵነት፡ እዋን፡ ወዘተ፡ ንምሕባር ይዝውተር።
ብሻፎ ኣኸንደዶ።
ብሰንኩ ሓሚማ።
ብሰኑይ መጺኡ ብ1815፡
ብግዜ ናፖለዮን...
*ንእዋን ብዚምልከት "ብ" ምስ መስተዋድድ "ኣብ" ተተኻኻኢ ዚኾነሉ ግዜ ከም
ዘሎ ምስትብሃል ኣገዳሲ እዩ።
ብሰንኪ- ናይ ሓደ ዝወረደ ወይ ዝሰዓበ ሕማቕ ነገር ሰበብ፡ ሰሪ ወይ ምኽንያት ዝኾነ
ሰብ ወይ ነገር።
ብሰንክኻ ኣብ ዕዳ ኣትየ። ብሰንኩ፡ ዘይነበሮ ሕማም ኣምጺኡ።
ብሰሪ- ናይ ሓደ ዝወረደ ወይ ዝሰዓበ ሕማቕ ነገር ሰበብ፡ ሰሪ ወይ ምኽንያት ዝኾነ፤
ብሰንኪ።
ብሰርኻ'ባ ተዋረድኩ!
ብሰሪንቑጽይነድድርሑስ።
ብበርከት- ብደገፍ፡ ብሓገዝ፡ ብኼር፡ ብሳላ (ንጽቡቕ ነገር)።
ብበርከትኩም ውራየይ ጽቡቕ ሓሊፉ።
እዛ ጸገም ብበርከትካ ውጺአያ።
ምስ- ብሓባር ምህላው፡ ወይ ምዃን የመልክት።
ምስ ኣዕርኹ ኣምሰየ።
ምስ ሳእንኻ ኣይትደቅስ።
ክሳዕ- ንእዋን ወይ ንኹነት የመልክት (ክስ + ሳዕ) ክሳዕ ሰዓት ሸሞንተ ተጸበየቶ።
ክሳዕ ንዓመታ ደሓን ኩን።
ክሳዕ ዚርብርብ ለፍለፈ።
ክሳብ- ርሕቀት፡ ብዝሒ፡ ፍጥነት ወዘተ ይሕብር (ክስ + ኣብ) ካብ ደቀምሓረ ኽሳብ
ከረን 130 ኪ.ሜ. እዩ።
ኣብ ሰዓት ክሳብ 90ኪ.ሜ ይጐዪ።
ብዝሐን ክሳብ ሰለስተ ሚእቲ ይኸውን።
ከም- ምስ ሓደ ነገር የነጻጸር ወይ የዳርግ።

130
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ከምቲ ሓዉ ኣይነፍዐን።
ከም ድላዩ ይዓንድር።
ከም ዓለምካ ኸኣሎ።
ሳላ- ደገፍ፡ ሓገዝ፡ ተገዳስነት፡ ወዘተ... ናይ ሓደ ሰብ ወይ ነገር ይሕብር።
ሳላኻ ሎም ዘበን ግራተይ ሓሪሰ።
ሳላ ኣሕዋቱ ይነብር ኣሎ።
እንተላይ(እንኮላይ)- ብጀካ ሓደ ሰብ፡ ነገር፡ ኵነት፡ ወዘተ… ካልእ’ውን ዝወሰኸ፤
ምስናይ፤ ከምኡ እውን።
እንተላይ ንስኺ ምጽኢ።
ድኻምን ጽምእን እንተላይ ውርደትን ኣሎዎ።
ርሳስ እንተላይ ተማላእ።
ብድርብ መስተዋድድ ዝቖመ መስተዋድድ'ውን ኣሎ።
ናብ ውሽጢ /ማእከል/ ላዕሊ/ወዘተ…
ናብ ውሽጢ ገዛ ኣተወ።
ናብ ማእከል ሜዳ ወሓዘ።
ናብ ልዕሊ ጎቦ ሓዀረ።
ኣብ ውሽጢ /ማእከል/ልዕሊ/ትሕቲ ወዘተ…
ኣብ ውሽጢ ጐድጓድ ይርከብ።
ኣብ ማእከል ከተማ ይነብር።
ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዓለበ።
ካብ ውሽጢ /ማእከል/ ልዕሊ/ ትሕቲ ወዘተ…
ካብ ውሽጢ ዓዲ…
ካብ ማእከል ኣሕዋት…
ካብ ልዕሊ ናሕሲ…
ልዕሊ /ትሕቲ/ ኣስታት/ ዳርጋ/ ዝያዳ/ ወዘተ…
ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ተቐመጠ።
ትሕቲ ሰለስተ ዓመት ንዝዕድመኡ ጥራይ እዩ።
ኣስታት ክልተ ሰዓት ተጸበየ።
ብልዕሊ /ትሕቲ/ ውሽጢ/ ማእከል/ ጐኒ/ ብውሽጥውሽጢ ወዘተ…
ብልዕሊ ባሕሪ ሰፈፈ።
ብወሽጢ ቱቦ ወሓዘ።
ብማእከል ዱር ሰንጠቐ።

131
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ክሳብ ውሽጢ /ጫፍ/ ማእከል/ትሕቲ/ ልዕሊ ወዘተ…


ክሳብ ውሽጢ ዓዲ ተዘርገሐ።
ክሳብ ጫፍ ጎቦ ሓዀረ።
ክሳብ ታሕቲ ልኸዮ።
ምስ’ናይ- እንተላይ፡ ብተወሳኺ፡ ወዘተ. የስምዕ።
ካብቲ ዝነበሮ ገዛ፡ ስድራኡ ምስ'ናይ ጋዕገልጠሞም ሒዙ ወጸ።
ምስናይ’ዚ ግና ተስፋ ኣይቈረጸን።
መስተዋድድ “ን” ምስቲ “ናብ” ዚብል ተደናጊሩ ብዘይ ስሩዕ ኣገባብ ወይ ብዘልማድ
ኪዝውተር ይስማዕ እዩ፡ ግና ቅኑዕ እዩ ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት፤
ብዘልማድ (ዘይስሩዕ) ስሩዕ (ቅኑዕ)
ንውሽጢ ገዛ ኣተወ። ናብ ውሽጢ ገዛ ኣተወ።
ንማእከልሜዳወሓዘ። ናብማእከልሜዳወሓዘ።
ንልዕሊጎቦሓዀረ። ናብልዕሊጎቦሓዀረ።

፭. መስተዋድድ ምስ ካልእ ክፍልታት ንግግር

(ሀ) ንስም ምስ ስም ዜዛምድ፤

ኣብ ገምገም ሓደ ርባ ኣብ ዝተደኰነት ዳዕሳስ ጐጆ ይቕመጥ ነበረ።

መስተዋድድ -------------- ኣብ ገምገም” ፡ ኣብ ግሲ--------------------------


ዝተደኰነት፡ ይቕመጥ መስተዋድዳዊ ሓረግ------ ኣብ ገምገም ሓደ ርባ (ለ) ምስ
ቅጽልን ግሳዊ ቕጽልን ግሳዊ ስምን፤
ብዛዕባ ሕማቕተግባራቱ ኣይትዘክር (ምስ ቅጽል)። ምእንቲ ውጹዕ(ዝተወጽዐ)
ህዝቢዚቃለስ (ምስ ግሳዊ ቅጽል)። ስለ ውጹዓትዚሕለቕ (ምስ ግሳዊ ስም)።
(ሐ) ከም ተወሳኸ-ግሲ ኺዝውተር ከሎ፡
ንግዚኡ ተጸሚሙ ኣሎ።
ክሳብ ላዕሊ ደይብ!

6. መስተዋድድን ተለቃቢ ተውላጠስምን (ተ/ተውላጠስም) (ሀ) መስተዋድድ + ተ/


ተውላጠ ስም፤

132
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ምስ+ተ/ተውላጠስም ከም+ተ/ተውላጠስም
(ንኣ. ምስ+ኣይ=ምሳይ) (ንኣ. ከም+ኣይ=ከማይ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ምሳይ ምሳና ከማይ ከማና
2ይ ምሳኻ ምሳኻትኩም ከማኻ ከማኻትኩም
2ይ ምሳኹም ምሳኻትኩም ከማኹም ክማኻትኩም
2ይ ምሳኺ ምሳኻትክን ከማኺ ከማኻትክን
2ይ ምሳኽን ምሳኻትክን ከማኽን ከማኻትክን
3ይ ምስኡ ምስኣቶም ከምኡ ከምኣቶም
3ይ ምስኦም ምስኣቶም ከምኦም ከምኣቶም
3ይ ምስኣ ምስኣተን ከምኣ ከምኣተን
3ይ ምስአን ምስኣተን ከምአን ከምኣተን
ካብ + ተ/ተውላጠስም ናብ + ተ/ተውላጠስም
(ንኣ. ካብ+ኣይ=ካባይ) (ንኣ. ናብ+ኣይ=ናባይ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ካባይ ካባና ናባይ ናባና
2ይ ካባኻ ካባኻትኩም ናባኻ ናባኻትኩም
2ይ ካባኹም „ ናባኹም „
2ይ ካባኺ ካባኻትክን ናባኺ ናባኻትክን
2ይ ካባኽን „ ናባኽን „
3ይ ካብኡ ካብኣቶም ናብኡ ናብኣቶም
3ይ ካብኦም „ ናብኦም „
3ይ ካብኣ ካብኣተን ናብኣ ናብኣተን
3ይ ካብአን „ ናብአን „
ብ+ተ/ተውላጠስም ን+ተ/ተውላጠስም
(ንኣ. ብ+ኣይ=ብኣይ) (ንኣ. ን+ኣይ=ንኣይ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ብኣይ ብኣና ንኣይ ንኣና
2ይ ብኣኻ ብኣኻትኩም ንኣኻ ንኣኻትኩም

133
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

2ይ ብኣኹም „ ንኣኹም „
2ይ ብኣኺ ብኣኻትክን ንኣኺ ንኣኻትክን
2ይ ብኣኽን „ ንኣኽን „
3ይ ብኡ ብኣቶም ንኡ ንኣተን
3ይ ብኦም „ ንኦም „
3ይ ብኣ ብኣተን ንኣ ንኣተን
3ይ ብአን „ ንአን „
*ብዘልማድ እቲ ምስቲ ንጽል ዝፊደሉ መስተዋድድ ("ብ"፡ "ን") ዚለግብ ተለቃቢ
ተውላጠስም፡ ነቲ ጐረሮኣዊ ፊደል "ኣ" ብምድግጋም፡ "ብእኡ፡ ብእኦም፡ ንኣኡ፡
ንኣኦም፡ ወዘተ...እናተባህለ ኺረብሕ ይስማዕ እዩ። እቲ ቕኑዕ ኣበሃህላኡ ግዳ፡ ከምዚ
ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ምዃኑ፡ ነቲ ምስ ካልእ መስተዋድድ ተለቂቡ ረቢሑ ዘሎ
ብምውካስ ንምርግጋጽ ይክኣል።ብጀካ'ዚ፡ ካብዚ ዝገደደ ድማ ነቲ ብዓዲ "አ" ኪድመጽ
ዚግባእ ብዓዲ "ዐ" ብምትካእ ኣብ ክንዲ "ንኣይ፡ ንኣኻ፡ ንኣኺ፡ ወዘተ." ዚኸውን "
ንዓይ፡ ንዓኻ፡ ንዓኺ፡ ንዕዖም፡ ንዕዐን፡ ወዘተ." እናተባህለ ኪረብሕ ስለ ዚስማዕ ኪእረም
ይግባእ። ብዛዕባ ተለቃቢ ተውላጠስም ዚምልከት፡ ኣብ ትሕቲ ተውላጠስም ብዝርዝር
ተዋሂቡ ስለ ዘሎ ምውካሱ ዝሓሸ እዩ።
(ለ) መስተዋድድ + (ኣየናይ /-ነይቲ/-ኖት) ኣብ+(ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት) ናብ+
(ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት)
ኣበየናይዓዲ ... ናበየናይሸነኽ...
ኣበየነይቲቝሸት ትርከብ? ናበየነይተንገዛ...
ኣበየኖትስፍራ... ናበየኖትኣፓርተማ...
ካብ+(ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት) ከም+(ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት)
ካበየናይወገን ኢኻ? ከመየናይዓይነት...
ከበየነይቲዓዲ... ከመይነይቲትፈቱ?
ከበየኖት ዓሌት... ከመየኖትይሕሻኻ?

134
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ምስ +(ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት) ን + (ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት)
ምሰየናይትደሊ? ነየናይግዜ ኽንኰርዓሉ...
ምሰየነይቲተወዳድራ... ነየነይቲትመርጽ?
ምስየኖትከም... ነየኖት ድማ እዩ...
ብ + (ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት) ኣብ ልዕሊ + (ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት)
በየናይወገን ... ኣብ ልዕሊ ኣየናይ...
በየነይቲመገዲ ኸደ? ኣብ ልዕሊ ኣየነይቲ ጐቦ...
በየኖት መሳርሕታት... ኣብ ልዕሊ ኣየኖት... ወዘተ...

(ሐ) መስተዋድድ + ምንታይ

ናይ ምንታይ ? ኣብ ምንታይካ የቐንዝወካ?


ናብ ምንታይ ከም ዝኸደ... ካብ ምንታይ ተበጊሱ...
ክሳብ ምንታዩ ይበጽሕ? ካብ ምንታይ ኬናግፎ...
ብምንታይ ወቒዑካ? ምስ ምንታይ ይቝጸር....
ንምንታይ ደሊኻዮ? ምስ ምንታይ ይዳረግ...
ንምንታይ ትታረኸኒ ከም ዘለኻ... ብምንታይ ክሰርሕ?
ንምንታይ ድየ ኣምጺአዮ? ኣብ ምንትምንታይ
ወዘተ...
*ገሊኡ ተመሳሳሊ ትርጉም ስለ ዘሎዎ፡ ኪተኻኸእ ዚክኣል እዩ። ንኣብነት ስለምንታይ
ትታረኸኒ... ወይ ንምንታይ ትታረኸኒ...ኪብሃል ይክኣል።

፯ መስተጻምር

መስተጻምር ንቓላት፡ ንሓረጋት ወይ ንዓረፍተነገራት ዜጣምር፡ ዜቋርን ወይ ዜዋዲ


ኽፍሊ ሰዋስው እዩ። መስተጻምር ወደረኛን ጽግዕተኛን ተባሂሉ ኣብ ክልተ ይኽፈል።

፩. ወደረኛ መስተጻምር

እዚ ኽፋል እዚ፡ ንኽልተ ወይ ካብኡ ዚዛይድ ቃላት፡ ሓረጋት ወይ ዓረፍተ ነገራት


ይጽንብር፣ ናብ ኣርባዕተ ንኡስ ክፋል ድማ ይምቀል። ዝርዝሩ ከምዚ ዚስዕብ እዩ፣

135
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

(ሀ) ኣዳራጊ (ሐ) ተጻራዲ


(ለ) ኣማራጺ (መ) ኣመኽናዪ

(ሀ) ኣዳራጊ

ኣብዚ መደብ’ዚ፡ "ን፡ ድማ፡ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ብጀካ’ዚ፡ እውን፡ ከኣ፡ ወዘተ…"
ዝኣመሰለ መስተጻምር ይጥርነፍ። ኣዳራጊ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ እቲ መስተጻምር
ናይ ምምዕርራይ ወይ ም'ድራግ ባህሪ ስለ ዜንጸባርቕ እዩ። ንኣብነት፤

ኣብርሃምን ሳልሕን ተዓዊቶም፡


ከምኡ’ውን ሃናን መብራትን።
ንፉዕ’ዩ፡ ብጀካ’ዚ ድማ ምቕሉል።
ግርም ውራይ ሓሊፉ፤ ተሓጒስና ኸኣ።
*ተካልመርዓ’ሎ፡ርሑስቀብር’ሎ።(ምስላ)
ኣብቲ ናይ መጠረሽታ ኣብነት ስዉር መስተጻምር ከም ዘሎ በቲ
ኽልተ ነጥቢ ተኣሚቱ ኣሎ። ማለት፣
*ተካል መርዓ’ሎ፡ ከምኡ’ውን ርሑስ ቀብር’ሎ።
*ተካል መርዓ’ሎ፡ ርሑስ ቀብሪ ድማ ኣሎ።... ኪብሃል ስለ ዚክኣል።

(ለ) ኣማራጺ

እዚ ኽፋል'ዚ፡ ተኽእሎ ወይ ምርጫ ዚሕብር መስተጸምር እዩ። ገለ ኻብቲ ቓላቱ


ንምጥቃስ፤ "ወይ፡ ወይ ከኣ፡ ወይ ድማ፡ ሓደው፡ ሓደው ከኣ፡ ብ/ክ___ኮነ፡ እንተዘየሎ፡
ብዝተረፈ፡ ይኹን ወዘተ…"
ብህይወት ኮነ ብሞት ይህደን ኣሎ።
ኪጽሕፍ ወይ ኬንብብ ኣ'ይኽእልን።
ክፈል፡ እንተዘየሎ ክትእሰር ኢኻ።
ሓደው ዝበሉኻ ግበረሎም፡
ሓደው ዓዶም ልቐቐሎም። (ምስላ)

(ሐ) ተጻራዲ

136
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣብዚ ኽፋል’ዚ ዚምደብ፡ ከምኒ፡ "ግና፡ ነገር ግን፡ ግዳ፡ ዝኾነ ኾይኑ፡ ___ ሲ፡ ___ስ፡
አረ’ውን፡ አረ፡ ኮይኑ ግና፡ ይኹን እምበር፡ ክ___ነገር፡ እንተኾነ ግዳ፡ ጥራይ፡ ሓንትስ፡
ወዘተ…" ዝኣመሰለ መስተጻምር እዩ። ንኽልተ ተጻራሪ ኹነት ድማ የዛምድ ወይ
የራኽብ፡ ንኣብነት፤

ብዙሕ ፈቲኑ ነይሩ፡ ግና ኣይተዓወተን።

ከምኡሲ ምደለኹ፡ ሓንትስ ይረኸብ’ምበር።

ተሪር ሰብ እዩ፡ ግዳ ሕያዋይ እዩ።

ጥዕናስ ኣይተረኽበን፡ አረ ገዲድዎ እዩ ዘሎ!

ክትምሓር ኢኻ፤ ክትምሓር ነገር (ክትምሓር ከለኻ ግዳ/ ተማሓር ደኣ’ምበር)፡ በደልካ
ተናሳሕ።

(መ) ኣመኽናዪ

ኣብዚ ዚምደብ ከምኒ፡ "ስለዚ፡ እምበኣርከስ፡ ደጊም፡ ሕጃይ፡ ስለ___ዝ___፡ ደኣ፡


ከመይሲ፡ እሞ፡ ካብዚ ዝተላዕለ/ዝተበገሰ፡ ስለዚ ድማ/ኸኣ፡ እሞ ድማ፡ ወዘተ…"
ዝኣመሰለ መስተጻምራት እዩ፤ ምስምስ ወይ ሳዕቤን ድማ ይሕብር። ንኣብነት፤
ብጫየይ እዩ፡ ስለዚዝሓብኣሉ ምስጢር የብለይን።
ብደሓን ተገላጊላ ኣላ፡ ሕጃይተሓጐስ!
ኣይዓደገን፡ ከመይሲኣመና ኸቢሩ።
ጽቡቕ እዩ ኢልካ፣ ዘይትወስዶ ደኣ?
ጸሪፍዎ፡ በዚ ዝተላዕለ ተጻሊኦም።
ሰዓት ኣኺሉ’ሎ፤ ደጊም ንኺድ።
ኣብዚ’ሞ የሎን፡ ናበይ ደኣ ኸደ።
እቲ ገንዘብ ኣምጺአ ኣለኹ፡ እሞኸ ትቕበለኒዶ?

፪. ጽግዕተኛ መስተጻምር

137
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

እዚ መስተጻምር’ዚ፡ ምስ ቀንዲ ሓረግ ብምጽንባር፡ ነቲ ኣብኡ ዚርከብ ግሲ ከም


ዘ'ይ'ዛዘም ወይ ድማ ጓዛ ዚገብር ሓረግ እዩ። እቲ ብኡ ዚቐውም ጓዛ ግሲ ድማ፡
ምኽንያት፡ ኩነት፡ ኣገባብ፡ ሕቶ፡ ንጽጽር፡ ሳዕቤን፡ ምስምስ ዝኣመሰለ ዝንባለ ወይ ኣተና
ዘሎዎ ኪኸውን ይኽእል። ገለ ኽፋል ናይዚ ብርክት ዝበለ መስተጻምር ዝሓዘ ሓረጋት
ቀጺሉ እንሆ።
ኣጣላሊ - ኣብቲ ወደብ ከም ዝበጽሐት ኣረጋጊጸ ኣለኹ።
ኣገባብ - ፈቐዶ ዓዲ እናገሸ ኸሎ ዘጋጠሞ ሕማም እዩ።
ኵኔታ - ከምዚ ኻብ ኮነ፡ ይፍተሓለ ኣይደልን።
ምኽንያት - ወቐሳ ስለ ዝፈርሀ፡ ኣይተዛረበን።
ሕቶ - ገንዘብ ከፊልካኸ ተረካባይ ዶ?
ኣፍራሲ - ዋላ ትንፈር፡ ጤል'ያ!
ግዜ - ኪምለስ ከሎይዘንም ነበረ።
ሳዕቤን - ገንዘብ ምስ እትዘ'ሩ፡ ንድኽነት ትቃላዕ።
ሸቶ - ምእንቲ ኽትዕወት መሊስካ ፈትን።
ተኽእሎ - ትመጽእ እንተ ዄንካ ንገረኒ።
ንጽጽር - ከምቲ ኻልኦት ኣብ ልዕለኻ ኺገብርዎ ዘይትደሊ፡ንስኻ’ውን ኣብ ልዕሊ
ኻልኦት ኣይትግበር።
ብጀካ’ዚ ኣብ ላዕሊ ብኣብነት ተዘርዚሩ ዘሎ ጽግዕተኛ
መስተጻምራት፡ ካልእ’ውን ከምኒ፤"ምንም’ኳ እንተ___፡ እንተ ዝ___፡ዝ___እንተ___፡
ክሳዕ፡ ክሳብ፡ ካብ___ጀሚሩ፡ ካብ___ኣትሒዙ፡ ብዝ___፡ ዝ___፡ እኳ፡ ዋላ’ኳ፡ ሸሕ’ኳ፡
ብዝ___መጠን ወዘተ…" እውን ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ብዝተፈላለየ ዝንባለን ኣተናን
ኪዝውተር ይክኣል።ንኣብነት፤
ምንም'ኳ እንተ ጸዓረ ኣይሰለጦን። እንተ ዚፍትን ምተዓወተ። ዝመዓደ እንተ መዓደ
ኣይሰምዖን።
ንሱ ኽሳዕ ዚመጽእ እታ ኣውቶቡስ ተበጊሳ። እቲ ፍርያት ብዝዛየደ መጠን ደላዪኡ
እናወሓደ ኸደ። ናብዚ ዓዲ ኻብ ዚምጽእ ጀሚሩ ናብራ ኣይጠዓሞን። ናባና
ብዝመጽአ ትቐቢልና ኣአንጊድናዮ። ፍልጠትን ተመክሮን ዜብሉ፡ ሃገር ኬመሓድር
ኣ'ይኽእልን። ሽሕ'ኳ እንተ ተማዕደ ኣይተኣረመን። ፍጥነት ብዝወሰኽካ መጠን
ንድንገት ኢኻ እትቃላዕ።

138
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

፰ ቃል-ኣጋንኖ

ቃለ-ኣጋንኖ፡ ንሓደ ነገር ብዝተወዓውዐ፡ ዝተጋነነ ወይ ስምዒት ብዚገልጽ ቃና


ዚዝውተር ቃል እዩ። እዚ ቓና ወይ ስምዒት ዘሎዎ ቓል’ዚ፡ ታሕጓስ፡ ጓሂ፡ ኣግርሞት፡
ስንባደ፡ ትዝታ፡ ናፍቖት፡ ትካዘ፡ ፈኽራ፡ ድምጺ ሰብ፡ እንስሳ ወ ነገር፡ ወዘተ… ዚውክል
ኪኸውን ይኽእል። ቃል-ኣጋንኖ፡ ምስ ዓረፍተነገር ብምጽንባር ወይ ድማ ንውልቁ
ይዝውተር። ቃለ እጋንኖ ፍልፍል ሌጣ ግሲ ከም ዝኾነ’ውን ኪዝንጋዕ ኣይግባእን።
ስምዒትን ዝተፈላለየ ድምጽን ዚውክል ቃለ-ኣጋንኖ ኣዝዩ ብርኩት እዩ፡ ብትእምርተ
ኣንክሮ ድማ ከም ዚፍለጥ ይግበር። ገለ ኻብኡ፡ ቀጺሉ ተዘርዚሩ እንሆ፤

(ሀ) ቃል-ኣጋንኖ ናይ ዝተፈላለየ ስምዒትን ኵነትን፤

ሓጐስ - ኣሰይ! ኣሰና! እልል! ፍንጭሕ! ጭድድ! ፍግእ! ወዘተ…


ኣድንቖ - ኣብየት! ዋእ! ወዳጀ! ኣካ! ወሸን! ኣየ! ይበል! ድራም ኣይ__! ኪ___ወድ-
ሓራም'ዩ! / ጕዳም'ዩ! / ሸይጣን'ዩ! ወዘተ...
ጓሂ/ቃንዛ - እህህ! ኣየ! ኣዪ! ኣየይ! ሃይ! ወዘተ...
ስንባደ - ሃእ! እውይ! ዋይ! ዋእ! ዋይ ኣነ! አረ! ህእ! ሀይ! ወዘተ...
ስ'ካሐ - እሔው! ዋእዋእ! አረአረ! አረረረ! ኣዪዪ! ዎዎዎ! ወዘተ...
መ'ተባብዒ - ሃየ! ሃየ ደኣ! ኣጆኻ! ኣበጀኡ! ሕራይ ገበረ! ወዘተ...
መተሃራረፊ - ሃሮርርር! ዕደ ነሳእካ! ዕደ ረኸብካ! እንታይ ኪንጫዕ! ወዘተ...
መ'ረጋገጺ- እሂናይ ደኣ! እሂናይከ! እማኾ! ብጭራ ዋጣ'ምበር! ወዘተ...
ጽ'ልአት - ያእ! ክላእ! ፎእ! ብላሽ! ቶባእ! ድባሕ! እኽኽ! አደድ! ክላለይ ዓለም!
ክዱን በኣፈስላሰ! ወዘተ...
ኣ'ጣላሊ - ለከ ደኣ! ለከንዶ ግዳ! ግድ የብልካን! እንታይ ግድኻ! ኮይኑ'ንዶግዳ!
እንሆልካ በል! ኣይበልኩኻንዶ! ሓሳዊ በለኒ! እንታይ በለ በለኒ! ኣይትብለንን! ቸድ!
ሓቅኻ ዲኻ? መልሓሰይ ትቈረጽ! እዋይ በጐጕ! ወዘተ…
ብድሆ - እሰከ___! ኣብኣ ትደኻ! ኣብኣ ትረኽባ! ሃየ! እንጻቆኻ! ሬሳይ ሰጊርካ!
ወዘተ...
ትምክሕቲ - ሞት ይሓይሽ! ሞይተ ድየ! ኣነ እገለ ኣነ! ክንዲ ሓባል ጽፍረይ ኣይርእያን!
ወዘተ...
ጸርፊ - በትኪ! ሽለት! መስከብ! ዕደ! ሓመድከ ዕደ! ሓመድ ብላዕ! በድኒ! ፈስፋስ!
ወስላት! ለዅመኛ! ወዘተ...

139
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ናእዳ - ኣንበሳ! ሓየት! ሃብሮም! ኰርዒዳ! ንፉዕ! ጅግና! ንሓመዱ! ኣይግዳዱ! ኣባ


ዳሀሪ! ኣባ ጽረግ! ዋው! (ዘመን ኣምጽኦ ኣበሃህላ) ወዘተ...
ቅብጥሮት- ድራር ዓይነይ! ድራረይ! መዓረይ! ሓላለይ! ዓይነይ! ሽኮረይ! ብረይ!
ሸ'ገይ! ወለላይ! ህይወተይ! ፍትውተይ! ም'ቅርተይ! ሩሐይ! ትንፋሰይ! ነፍሰይ!
ኣያኒ! ጐይታኒ! ኣ'ደዋ! ኣቦዋ! ወዘተ…
እንግዶት- ንቐደም በል! ቅድዊ! ብሩኽ! (ንዚብላዕ)ስጋኻ! (ንዚስተ) ደምካ! ሕሩመይ
ኢለ! ብዝይ ቀልዓለም (ቃልዓለም)! ብማርያም! ብጻድቃን! ወዘተ…
ሰላምታ - ሰላም! ከመይ ኣለኻ? ደሓንዶ ሓዲርካ/ ውዒልካ/ ኣምሲኻ/ ኣርፊድካ?
ደሓንዶ'ለኻ? መርሓባ! እንቋዕ ብደሓን መጻእካ! በየን ደኣ በረቕካ! ንፈትዎ ረአና!
(ንዝሸምገለ ሃለዋቱ ኣብ ምሕታትዚብሃል) ድሓንዶ’ሎ? ይሰምዕዶ’ሎ? ወዘተ...
ም'ርቓ - የዕቢኻ! ብሩኽ ኩን! ሽሻይካ የብዝሓዮ! ዘርእኻ ይሰስን/ ይብዛሕ! ዓጽምኻ
ይኽበር! ወፊርካ እቶ! ብውሉድካ ተሓጐስ! በረኸት ይዓድልካ! ምሩቕ ኩን!
ዝተመረቐት ትብጻሕካ! ወዘተ…
መርገም - ኤህ! መገዲ እግርኻ ትሰበር! ከመይከ እግርኻ ትሰበር! ወፊርካ ኣይትእቶ!
ርጉም ኩን! ማይ ውለድ! ብውላድካ ኣይትትሓጐስ! መንደፍ ትዀስትርኩም! ተደ'በብ!
ወዘተ…
ልመና - በጃኻ! በጃኻ ግዳ! ብማርያም! ብጻድቃን! ስለዝጊሄር! ምእንተ ወላዲተ
ኣምላክ! በዞም ኩሎም ፈጠርትኻ! ማርያም ትሃብኩም! ይርዳእካ! ወዘተ…
ማሕላ - መንግስቲ 'ሙት! ብኡነት! ስጋቦይ ኢለ! ስጋ እከለ! ኣዕጽምቲ'ቦይ እከለ!
ኣቦይ እከለ ዝኣተዋ ጕድጓድ ተእትወኒ! ይስበረኒ! ይሸንጥረኒ! ትሕቲ ባይታ የሕድረኒ!
ትዀርምየኒ! ወላሂ! ትሓምሽሸኒ! እዝጊለ! ኣቦይዝጊ! ማርያም ኣደይ! ኣምና (ኣቡነ)
እገለ! (ሽም ጻድቕ ብምጥቃስ) ወዘተ…
ዮሃና - እንቝዓኒ! እንቋዕ ኣሓጐስካ! እንቋዕ ኣሰይ! ኣሰይ! ቤት ሽሻይ ቤት ሓጐስ
ይግበሮ! ቤተምበሳ (ቤት እምቦሳ) ይግበሮ! እንቋዕ ማርያም መሓረትኪ! ወዘተ... ትእዛዝ
- ኪድ! ጥፋእ! ተሎ በል! ተኣለ! ማንዙር! ሪትለስ! እየይ! ኣቤት! ኣለኹ! እሺ!
ሕራይ! ወዘተ...
ግንሓት- ጊስ! ከት! ዱም! ተት! ቻ! መጭ! ሱ! ብስ! ሓሕ! ዓር! ወዘተ…
እምቢታ-እምቢ! እምብለይ! ዕጭ! ዕጭ ሓንፈፍኩ! ዕጭ ወደኹ! ኣንግዓለይ! ኣሻፈረይ!
ቀንጠረኒ! ክሳደይ ንኻራ! ወዘተ...
ሕንጋደ- ኣቕብጽ! ኣሐልል! እብይ! እንተ በልካስ ወይከ! ወዘተ…
ጥልመት- ነደኺ ማይ ውረድላ! እከለ/ገለ ትመስክር! ሽርብ! ኣሉ ቐጣን!
ህልም!

140
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣቃጫጭ- ኣብየት! ዶ ትብል! ኢዶ! ሓቅኻ ዲኻ! ኦይ! ኣየርእየሉ! ኣብ ክንደይ


ንሱ! ኣብ ክንደይ ዓቕሙ/ሓይሉ! ይብሃል ኢላ ድሙ ተዃሒላ! ወዘተ…
ፈኸራ (ዘመራ) - ወድ ኣይተ! ጓል ኣብ ዘማት! ጓል ኣብ ሕኒት! ጓል ከንቲበት! ኣነ
ወድ እገለ! ወድ እገለዶ! ጓልያትዶ! ሓው እገሊት (ንኣ. ሓው ሻሹ!) ወድያትዶ!
ቱታ! ዘራፍ! ስረይ ንቝልቁል! ቀምሸይ ንቝልቁል! ኣነ እገለ ኣይኾንኩን! ወዘተ…
ብኽያት- አይአይ! ዋይዋይ! ጫጭ! ኛር! ኛቝ! ኛቝናቝ! ፊፍ! ፊቕ! ኢኢኢ!
ንኽንኽ! ሽፍሽፍ! ምኒን! ወዘተ…
መጸናንዒ - ጽንዓት ይሃብኩም! ሕሰም ኣይትርከቡ! ጠሊ ይግደፉ! ይምሓርካ
ንዘሃንጠሰ ሰብ ዚብሃል)! ይኣኽለኩም ይበለና! ገኒሑ ይተዓረቐና! ምሉእ ጥዕና
ይግበሮ! እግዝሄር ይምሓርካ! ደበሳ እዮብ ይደብስኩም! ወዘተ…
ርሕራሐ - በጃ ደኣ! ቅድመኻ ይጽጥሓኒ! ይዋእ! ፍጽእ! መስኪናይ! ንኣይ
ይግበረለይ!
ሕዳርናይ! ሓመድ ትኹን ሓመድ! (ንዝሞተ ሰብ ኪዝከር ከሎ ዚብሃል) ወዘተ...
መጠንቀቕታ-ተጠንቀቕ! ትሕሸካ! ደሓር ከይ___! ወይለኻ! እነግረካ’ለኹ! ሕደግ!
ዋእ! ወዘተ...
ዳንነት- ዝባን (ዝፋን) መንግስቲ! እግር እግረይ ክትስዕብ! ዝባን (ዝፋን) ሕጊ!እዝግሄር
የርኢኹም ክርስቶስ የመስክር ኩም! ረኣዩለይ ስምዑለይ! እውሓስ አግብእ (ገንዘብ
ወይ ጥሪት ብምጥቃስ)! ክስታይ/ክንድዚ እውሓስ! ፍጀት! ደናብ! እምም!
ይሰልሰለልካ! ወዘተ…
ሻቕሎት -ኣንታ ፈጣሪ! እንታይ ኮን ከተርእየና ኢኻ! ምጾታት! ኣንቲማርያም! ኣንቲ
ወላዲተ-ኣምላክ! ሕማም ደኣ’በሃል! ወዘተ...
ጣዕሳ -ዋይ ኣነ! ዋይ ኣነ ግድሸእ! ዋይ ኣነ ቍሩሕ! ኣሕ! ኣኽ! ዋይ ኣነ ቕርስስቲ!
ወዘተ...
ምርረት- ኣንታ እንታይ መዓት ወረደኒ! እንታይ መርገም ኮን ነይሩኒ! እንታይ ሃየንታ
ይብሃል! ባዕሉ ይፈልጥ! እንድዕሉ! ምቕንጫሩ! ገደል ይእቶ! ነይረ ድየ! ተውሳኹ!
ኣይ! (ከምኡ’ዩ ዚግበር?) ተውሳኽ'ቲ ኽስታየይ! ወሪዱኒ! ሓልፊ! በዚሑ! ኣውሪዱለይ!
ጣጣ ደኣ‘ብሃል! ወይ ፈጣሪ! ወይ ሰብ ደቀይ! ወይ ንሳን ወዳን! (ናይ እንዳ ስዋ
ቝንቝኛ ንማርያምን ክርስቶስን ማለት’ዩ)፣ ወይ ሰበብ! ሰብ ኪብልዎስ! ሰብ
ሰባብ!...ወዘተ…
ግደታ - ብፍንጫ! ከይፈተኻ! ብግዲ! ፈቲኽንዶ ንጉስ ትምርቓ! ካብ እንዳ ሸይጣን
ኣምጽኣያ! ውለዳ! ብሳንቀ! ካብ መዓኰር ሓርማዝ ተምጽኣ! ወዘተ...
ኣግርሞት - ወይ ፈጣሪ! ወይ ጉድ! ጉዳም! እእእም! ጉድ ደኣ'ብሃል! እዝኒ
ዘይትሰምዖ የብላን! እንታይ ትብል ወደይ! ወዘተ.

141
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

በዓለገ ምላሽ- እሂ’ሞ! እንታይ ቀሪጹካ! እንታይ ነፊሑካ! ሒእ በል! ደም ተጨደድ!


ደም ተሓለብ! በረቝ በል! በረቝ ተሓሰ! (ዘረባ ወዲኒ) ወዘተ…
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ቃል ኣጋንኖ ንበይኑ ወይ ምስ ካልእ ቃል፡ ሓረግ ወይ
ዓረፍተነገር ተጸንቢሩ ኺዝውተር ይክኣል። ብጀካ’ዚ፡ ቃና ናይቲ ኣበሃህላ’ውን
ንትርጉሙ ይልውጦ እዩ። ንኣብነት “ኣብየት!” ዚብል ቃል ኣጋንኖ፡ ንምላሽ ናይ
ጻውዒት፡ ንኣድንቖ ወይ ድማ ንምንሻው ዝተባህለ ኪኽውን ይኽእል። እዚ፡ ካብቲ ናይ
ኣበሃህላኡ ቓና እዩ ዚብገስ።

(ለ) ድምጺ ህያዋን፤

ኡይ! ዋጭ! ቃቃቕ ኪኪሪኪ


ቱሕ! እር! ህብብ! ሑብሑብ
ኛው! ዊው! ኵሪፍ! ኪርኪር!
ሒሕ! ጭቝ! ሂሃ!ሃ! ካርካር!
ኩኩ! ዚዝ! ሕምሕም! ህንጥሸው!
ሜእ! ኒን! እምቡሕ! ኳዅ!
ጺጽ! እምባሕ! ሒሕ! ኛቝ!
እምቢሕ! ኡይ! ሃዘዝ! ፍር! ወዘተ...

(ሐ) ድምጺ ግዛዓት

ፉፍ! ሂው! ዓጠም! በጣዕ!


ሽዋሕ! ፋም! ቂው! ዓጠስ!
በጠጥ! በጥረቕ! ፊጽ! ዲም!
ዓረቝ! ጠረስ! ቱግቱግ ! ሻሕ!
ፋሕ! በረቝ! ዓጠቕ! ተረግረግ!
ሂም! ቃዕ! ሓሸም! ሕጺጽ!
ተረጕ! ቡም! ዱብ! ሓነግ!
ጻሕ! ረማዕ! በራዕ! ወዘተ…
(መ) ብስምዒት፡ ብዓውታ፡ ብኣግርሞት፡ ወዘተ ዝተዘርበ፡ ዝተተንብሀ ቓል፡ ሓረግ ወይ
ዓረፍተነገር'ውን ምስ ቃለ-ኣጋንኖ እዩ ዚቝጸር፡ ምልክት ኣንክሮ ድማ ይግበረሉ።

142
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣንታ ኽንደይ ትሓስም! ሕደግ፡ ነገር ከይተምጽእ!


ርጉም ርእየ’ሞ ኣይከም እገለን!
ዘይምዝካሩ/ዘይምልዓሉ ወዘተ. ይሓይሽ!
አረ እንታይከ ገደሰኒ! ኣረ ባዕሉ ይፈልጥ! ኣኺልዎ! ዋጋ የብሉን! ወዘተ... (ረ)
ቃል ኣጋንኖ ምስ ግሲ “በለ” ብምጽንባር ኣንክሮኣዊ ግሲ ኸም ዜቕውም ዘጊት
ተጠቒሱ ነይሩ።
እንጉይ በለ ኛቝ በለ ፍር ኢሉ
ጭል ኢሉ እምቢ በለ ውሕ በለ
ዓጠስ ኢሉ ራዕ ኢሉ ወዘተ…

ኣገባብኣ (ሲንታሲ)

ቃላት፡ ኣብ ዘረባ ኾነ ኣብ ጽሑፍ፡ ንሰዋስው ብዝተኸተለ መገዲ እናተሰርዐ ምስ


ዚንደቕ፡ ንኡስ ሓረግ፡ ዓብዪ ሓረግ፡ ክንዮኡ ድማ ስውያ ንግግርን ዓረፍተነገራትን
የቕውም። እዚ መስርሕ እዚ፡ ብሓፈሻ ኣገባብኣ (ሲንታሲ) ይብሃል።

ዓረፍተነገር፣

ቃላት ብሕጊ ናይቲ ዚዝረበሉ ቛንቋ እናተሰርዐ ሓደ ምሉእ ሓሳብ ኣቝሙ ምስ ዚዛዘም
ዓረፍተነገር ይብሃል። ከምዚ ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ናይቲ ኺምሓላለፍ ወይ ኪግለጽ
ዝተደልየ ሓሳብ መዕለቢ ወይ መዕረፊ ዘሎዎ ብምዃኑ እዩ።
ሰለስተ ዓይነት ዓረፍተነገር ኣሎ። ንሱ ድማ፣
(ሀ) ሓተታዊ ዓረፍተ ነገር፡
(ለ) ጥያቐኣዊ ዓረፍተነገር፡
(ሐ) ትእዛዛዊ (ግደታዊ) ዓረፍተነገር ተባሂሉ ይኽፈል።

(ሀ) ሓተታዊ ዓረፍተነገር

እዚ ኣብ ዕለታዊ ምይይጥ ወይ ንግግር ብተደጋጋሚ ዚዝውተር ኣገባብ መስተራኽብ


እዩ። ንኣብነት፤
ትብለጽ መጽሓፍ ኣንቢባ። (እወታ)
ለከ እቲ ዝመጸ ንሱ እዩ ነይሩ! ( እወታ)

143
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ትማሊ ጸወታ ዅዕሶ ኣይረኣኹን። (ኣሉታ)


ለከ እቲ ዝመጸ ንሱ ኣይኮነን ነይሩ። (ኣሉታ)

(ለ) ጥያቐኣዊ ዓረፍተነገር

እዚ ዓይነት ዓረፍተነገር’ዚ ብዛዕባ ሓደ ነገር ንምፍላጥ፡ ንምውካስ ወይ ንም'ጥላል


ዚቐርብ ሕቶ እዩ። ንኣብነት፡
መኣስ መጺእካ? (እወታ)
እንታይ ገደሰካ ትሽገር? (እወታ)
ትንፋስ ምሕላፍ ገበንዶ ኣይኮነን? (ኣሉታ)
ግድን ክትርከብ ኣሎካ ኣይበልኩኻን? (ኣሉታ)

(ሐ) ግደታዊ (ትእዛዛዊ) ዓረፍተነገር፣

እዚ ዓይነት ዓረፍተነገር’ዚ፡ ትእዛዝ፡ ኣዋጅ፡ ምዕዶ፡ ምሕጽንታ፡ ወይ ንኡ ብዚመስል


ኣገባብ ንምንጋር፡ ንምስትሕልላፍ ዚዝውተር ሜላ መስተራኽብ እዩ። ንኣብነት፤
እዋን ቈጸራ ኣኽብር።(እወታ)
ብሸዓ ኸም እትምለስ ኣረጋግጽ።(እወታ)
ሓጹር ዘሊልካ ኣይትእቶ።(ኣሉታ)
ከኒና ምውሓጥ ኣይትረስዕ።(ኣሉታ)

ኣቀዋውማ ዓረፍተነገር

ሓደ ዓረፍተነገር፡ ንጽል ወይ ድርብ ዝትሕዝቶኡ ኪኸውን ይኽእል፤

፩.ንጽል ዓረፍተነገር፤

ሀ) ኣበባ መጽሓፍ ኣንቢባ። ኣበባ - ብዓልቲቤት (ተግባር ግሲ ዝፈጸመት)። መጽሓፍ-


ተሳሓቢ (ተግባር ግሲ ዝተፈጸሞ)። ኣንቢባ- ሓረጋዊ ግሲ (ቀረባ ሕሉፍ፡ ሳልሳይ ኣካል፡
ንጽል፡ ኣንስታይ ጾታ)።
(ለ) ኣበባ ተሓጒሳ። ኣበባ- በዓልቤት (ተግባር ግሲ ዝፈጸመት)
ተሓጒሳ- ሓረጋዊ ግሲ (ቀረባ ሕሉፍ፡ ሳልሳይ ኣካል፡ ንጽል፡ ኣንስታይ ጾታ)።

144
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

(ሐ) ኣበባናብቤትትምህርቲኸደት። ኣበባ- ብዓልቲቤት (ተግባር ግሲ ዝፈጸመት) ናብ-


መስተዋድድ (ኣንፈት ዚሕብር) ቤትትምህርቲ- ዘይቀጥታዊ ተሳሓቢ (ምስቲ ግሲ ርክብ
የብሉን) ከደት- ሓረጋዊ ግሲ ( ርሑቕ ሕሉፍ፡ ሳልሳይ ኣካል፡ ንጽል፡ ኣንስታይ ጾታ
)።
ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ ሓደ ዓረፍተነገር ንኺቐውም፡ እንተወሓደ ብዓልቤትን
ግስን (ዓንቀጽን) የድሊ። ብጀካ’ዚ፡ እቲ ግሲ ተሳጋሪ ወይ ዘይተሳጋሪ ኪኸውን ይኽእል።
ኣብቲ ኣብ (ሀ) ተዘርዚሩ ዘሎ ዓረፍተነገር፡ እቲ ግሲ ተሳጋሪ እዩ፤ እቲ ናይ (ለ) ግና
ዘይተሳጋሪ እዩ። እቲ ተሳጋሪ ግሲ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ኣሎዎ፡ እቲ ዘይተሳጋሪ ግና
የብሉን። ኣብቲ ኣብ (ሐ) ተዋሂቡ ዘሎ ኣብነት፡ እቲ ተሳሓቢ ዘይቀጥታዊ ተባሂሉ እዩ
ዚጽዋዕ።

፪. ድርብ ዓረፍተነገር

ድርብ ዓረፍተነገር ካብ ንጽል ዚፍለየሉ ምኽንያት፡ ዓብዪ ሓረግን ንኡስ ሓረግን ዚብሃል
ክፋላት ዝሓቘፈ ብምዃኑ እዩ። እቲ ዓብዪ ሓረግ ንባዕሉ፡ ሽሕ’ኳ ዓንቀጽ እንተ'ሎዎ፡
ናይ ቀረባ እዋን ቅርጺ ብምሓዝ ወይ ድማ ብመስተጻምር ተሰንዩ ምስ ሓደ ነቲ ሓሳባቱ
ዚድምድም ንጽል ዓረፍተነገር ይቋረን’ሞ ድርብ ዓረፍተነገር የቕውም። ኣብ ሓደ
ድርብ ዓረፍተነገር፡ ብሓረግ መልክዕ ዝተኣሳስረ፡ ካብ ክልተ ንላዕሊ ዓረፍተነገራት
ኪህሉ ይኽእል። ንኣብነት፤
(ሀ) ደሞዝ ስለ ዘይተቐበለ ንወዱ ኽዳን ኣይዓደገሉን። ደሞዝ ስለ ዘይተቐበለ - ዓብዪ
ሓረግ። ንወዱ ኽዳን ኣይዓደገሉን - ቀንዲ ሓረግ።
(ለ) ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ሃገሩ ተመልሰ። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት- ንኡስ
ሓረግ ናብ ሃገሩ ተመልሰ- ቀንዲ ሓረግ
(ሐ) ኣብ ዓዲ ኸሎ፡ ንፉዕ ሓረስታይ እዩ ነይሩ። ኣብ ዓዲ- ንእሽቶ ሓረግ ኣብ ዓዲ
ኸሎ- ዓብዪ ሓረግ ንፉዕ ሓረስታይ እዩ ነይሩ ቀንዲ ሓረግ
(መ) ብዓንተቦኡ’ውን ሓንጊዱ’ምበር፡ እንተ ዚፍትን ምተዓወተ ነይሩ።
ብዓንተቦኡ’ውን- ንኡስ ሓረግ።
ሓንጊዱ’ምበር- ዓብዪ ሓረግ።
እንተዚፍትን- ዓብዪ ሓረግ።
ምተዓወተነይሩ- ቀንዲ ሓረግ።

ዓይነታት ሓረግ

145
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣቐዲሙ ብኣብነታት እናተሰነየ ኸም ዝተገልጸ፡ ሓደ ዓረፍተ ነገር፡ ብፍላይ ድማ ድርብ


ዓረፍተነገር፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ብዚዛይድ ሓረጋት ዝቖመ እዩ። ኣብ ሰለስተ ድማ
ይኽፈል።
፩. ንኡስ ሓረግ
፪. ዓብዪ ሓረግ
፫. ቀንዲ ሓረግ

፩. ንኡስ ሓረግ

እዚ ሓደ ኽፋል ናይ ዓረፍተነገር ዜቕውም መስርዕ ቃላት ኮይኑ፡ ብዓልቤት ዜብሉ፡


ንበይኑ ሓደ ምሉእ ሓሳብ ኬመሓላልፍ ዘ'ይኽእል ጽግዕተኛ እዩ። ንኣብነት፤
ቍሩብ ዕድመ ብዝወሰኽኩ፡ ኣደይ ኣብ ሓደ ቤትትምህርቲ ኣእተወትኒ።
ቍሩብ ዕድመ = ንኡስ ሓረግ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ = ንኡስ ሓረግ
፪. ዓብዪ ሓረግ
እዚ ብዓልቤትን ግስን ዘሎዎ ኽነሱ፡ ምስ ቀንዲ ሓረግ ብምልጋብ ጥራይ መዕለቢ
ዚገብር ጽግዕተኛ ናይ ቃላት ሰንሰለት እዩ። ንኣብነት ኣብታ ኣቐዲማ ዝተቐመጠት
ዓረፍተ ነገር፡ ቍሩብ ዕድመ ብዝወሰኽኩ = ዓብዪ ሓረግ
*እቲ ጽግዕተኛ መስተጻምር “ብዝ__”ነቲ ግሲ ከይኣስር ከልኪልዎ ኣሎ።

፫. ቀንዲ ሓረግ

እዚ ኽፋል እዚ፡ ነቲ ኣውራ ትሕዝቶ ናይቲ ዓረፍተነገር ዝሓዘ፡ ርእሱ ዝኸኣለ


ብዓልቤትን ግስን ዘሎዎ እዩ። ሕጅ’ውን ናብታ ኣብነት ምስ እንውከስ፤ ኣደይ ኣብ
ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣእተወትኒ = ቀንዲ ሓረግ
*መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዓብዪ ሓረግ ቅድሚ ቐንዲ ሓረግ እዩ ዚመጽእ።

ዓይነት ዓብዪ ሓረግ

ዓብዪ ሓረግ፡ ንስም ንቕጽል ወይ ንተውሳኸ ግሲ ተኪኡ ዚዝውተረሉ ኣገባብ ኣሎ።


እቲ ሓረግ፡ በብቲ ዚውክሎ ክፍለንግግር ብምትካእ ንምልላይ ይክኣል።
፩. ስማዊ ዓብዪ ሓረግ
መብዛሕትኡ ግዜ ስም ወይ ተውላጠስም ዘሎዎ፡ ናቱ ተግባር ድማ ዜንጸባርቕ እዩ።
(ሀ). ካብ ሰብ ዚደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ። ዚልምን ይዋረድ፡ (ዚልምን = ለማናይ = ስም)

146
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

(ለ). ምኽሪ ሰብ ምስማዕ ኣይፈቱን እዩ። ምዕዶ ኣይፈቱን እዩ (ምዕዶ = ስም)


(ሐ). እንታይ ቃሕ ከም ዚብሎ ሕተቶ። ድልየቱ ሕተቶ (ድልየት = ስም)
፪. ቅጽላዊ ዓብዪ ሓረግ እዚ ሓረግ’ዚ ንቕጽል ብምትካእ ይኣቱ።

(ሀ). እቲ ብኣምሆ ዝረኸብናዮ ሰብኣይ መጺኡ ነይሩ። ብኣምሆ ዝረኸብናዮ =


ንዊሕ/ሓጺር/ቀይሕ/ወዘተ.= ቅጽል
(ለ) ምኽሪ ወለዱ ዘይስምዕ ቈልዓ፡ ኣብ ጸገም ይወድቕ። ምኽሪ ወለዱ ዘይሰምዕ =
ዕግርግረኛ/ነቓጽ/ ወዘተ.= ቅጽል
፫. ተውሳኸ-ግሳዊ ዓብዪ ሓረግ እዚ ሓረግ’ዚ፡ ንግሲ ዚገልጽ፡ ናይ ተውሳኸ-ግሲ ባህሪ

ኣሎዎ።

(ሀ) ብናህሪ እናዘወረ ምስ መንደቕ ተጋጨወ። ብናህሪ እናዘወረ ናይ ኣገባብ ተወሳኸግሲ

ን “ተጋጨወ" ዚገልጽ።

(ለ) ፈቐዶ ባር እናኣላገሰ ኺሰቲ ሓደረ (ንኣስታትያ ዚገልጽ)


፩. ንጽል ቃላት ከም ዓብዪ ሓረግ
(ሀ) ስማዊ ሓረግ
ምምጻኡ ኣሓጐሳ።
ኣጠማምታኡ ኣይተፈተዋን።
(ለ) ቅጽላዊ ዝተባጃጀገ ኽዳን ወድዩ ነበረ። ዝተዳህለ ገጽ ኣየርኣየን።
(ሐ) ተውሳኸ ግሳዊ እናተኸታተልካ ተዓዘብ። እናዕገርገረ የሸግሮም ኣሎ። ተወሳኺ
ኣብነት፡
ክውጽእ እንተዝደሊ መን ከልኪሉኒ? ክወጽእ እንተ ዝደሊ = ዓብዪ ሓረግ መን
ከልኪሉኒ = ቀንዲ ሓረግ
ኣንጭዋ ትሕለፍ ምእንቲ መጎጎ ኣንጭዋ ትሕለፍ = ቀንዲ ሓረግ ምእንቲ
መጎጎ = ንኡስ ሓረግ
ተካል መርዓ’ሎ፡ ርሑስ ቀብር’ሎ። ተካል መርዓ’ሎ = ዓብዪ ሓረግ ርሑስ ቀብር’ሎ
= ቀንዲ ሓረግ።
ኣብቲ ብመላኡ ዙርያ ናይቲ ትሪቡና፡ ብርክት ዝበለ ኻብቲ ተዓዛቢ፡ ኣረ’ውን
መብዛሕትኡ፡ ሰብነቱ ምቍጽጻር ክሳዕ ዚስእን እናዕለበጠ፡ ነተን ዘዚድግፈን ጋንታታት
ምእንቲ ኼተባብዕ ፡ ብሆራን ብዋዕታን ይጭድርን ይግዕርን ነበረ።

147
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣብቲ ብመላኡ ዙርያ ናይቲ ትሪቡና= ንኡስ ሓረግ ብርክት ዝበለ ኻብቲ ተዓዛቢ=
ንኡስ ሓረግ አረ'ውን መብዛሕትኡ= ንኡስ ሓረግ ሰብነቱ ምቍጽጻር ክሳዕ ዚስእን
ኣናዕለበጠ = ዓብዩ ሓረግ ነተን ዘዚድግፈን ጋንታታት ምእንቲ ኼተባብዕ= ዓብዪ ሓረግ
ብሆታን ብዋዕታን ይጭድርን ይግዕርን ነበረ= ቀንዲ ሓረግ
*ኣብ ውሽጢ እቲ ዓብዪ ሓረግ'ውን፡ ንኡስ ሓረግ ተሓቚፉ ኸም ዘሎ ምስትብሃል
የድሊ። ንኣብነት፤
ሰብነቱ ምቍጽጻር = ንኡስ ሓረግ ነተን ዘዚድግፈን ጋንታታት = ንኡስ ሓረግ

ስውያ ንግግር

ንሓደ ፍጻመ፡ ኵነት ወይ ንጥፈት ብንጹር ድራማዊ ኣድማዕነት ንምግላጽ ዚዝውተር


ቃል፡ ሓረግ ወይ ዓረፍተነገር፡ ስውያ ንግግር ይብሃል። “ ስውያ ” ዚብል ቃል፡ ንዘረባ
ወይ ንግግር ብፍሉይ ቅዲ፡ ዘይቤ፡ ሜላ ወይ ክእለት ዘሎዎ ኣገባብ ምቕራብ ዜስምዕ
ስያመ እዩ። ናይ ንግግር ዘይቤ፡ ቅዲ ወይ ስውያ ብዙሕ ክፋል ይሓቍፍ። እዚ ኣብ
ታሕቲ ቐሪቡ ዘሎ ዝርዝር፡ ስውያ ንግግር ከመይ ከም ዚመስልን ከም ዚዝውተርን
ኣፋፍኖት ንምሃብ ደኣ'ምበር፡ ምሉእ ትሕዝቶኡ ንምቕራብ ዘንቀደ ኣይኮነን።

፩. ቍንቍኛ (Idiom)

እዚ ዘይቤ’ዚ፡ ኣብቲ ኣብ ውሽጡ ብዚርከብ ቃላት ጥራይ ትርጉሙ ብንጹር ንምርዳእ


ዚክኣል ኣይኮነን። ከምዚ ኽነሱ ግዳ፡ እቲ ዘይቤ፡ ብተለምዶ ብዝተዋህቦ ትርጉም እዩ
ዚዝውተር።

-ምእንቲ ኼዳህልሎ፡ ክልተ ልቢ ሒዙ እዩ ቐሪብዎ።


-ኣንታ ቘልዓ፡ ዓይንኻ ርአ። -ኢድ ሓጺርዎስ ኪኸፍል ኣይከኣለን። -ናይ ልብኻ
ዲኻ?

፪. ንጽጽር (Simile)

ንኽልተ ብባህሪኡ ዝተፈላለየ ነገር ወይ ፍጥረት ብምንጽጻር፡ ነቲ ሓደ ምስቲ ኻልእ


ብምድራግ ዚግለጽሉ ዘይበ እዩ። ንጽጽር፡ “ከም” ብዚብል መስተዋድድ ተሰንዩ ወይ
“ይመስል” ዜስምዕ ሓሳብ ሰቲሩ ብምቕራብ ይልለ።
-ሓደ ኸምሓሙስ ውላዱ እዩ።

148
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

-ኣብ ማይ ከምዝኣተወት ኣንጭዋ ኣጽቀጠ።


-ቅምጥ ኢላ ነዲኣ እያ (እትመስል)።
-ክንድ’ዚ ሓሚመሉ ንዘ'ይኸውን ፍቕሪ፡ ከምነጸላዚኣርግ ከም ቈጽሊ ሓራሪ። -ደርፊ

፫. ተምሳለት (Metaphor)

ምስ ንጽጽር ዚመሳሰል ክነሱ፡ “ከም” ወይ “ይመስል” ዜስምዕ መስተዋድዳዊ ሓረግ


ዜብሉ እዩ።
-ድንቍርናጸልማት፡ፍልጠትብርሃንእዩ።
-ኣብቲውድድርኣንበሳኾይኑወዓለ።
-ነቦኡየማናይኢዱእዩነይሩ።

፬. ዝተሓናፈጸ ተምሳለት (Mixed metaphor)

ክልተ ወይ ካብኡ ዚዛይድ፡ ባባህሪኡ፡ ብተግባራቱ፡ ብመሸከሉ ዘይራኸብ ወይ ዘይቃዶ


ነገራት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓረፍተነገር ዘካተተ ዓይነት ስውያ ንግግር እዩ።
እዚ ዕቑር ዓቕም’ዚ፡ ሞተር ምዕባለ እዩ (ዚንቀሳቐስን ዘይንቀሳቐስን)
እዚኣድማ'ዚ፡ኵርማጅእዩፈውሱ(ኵርማጅንፈውስንዜራኽብ የብሉን)

፭. ኣለጎሪ (Allegory)

ትእምርታዊ ትርጉም ዘሎዎ፡ ብመልክዕ ዛንታ ዚቐርብ ዓይነት ድርሰት ኣለጎሪ ይብሃል።
እታ ብዮሃንስ ቡንያን ኣብ 16 ዘመን ተጻሒፋ ብ ቴረሳ ደ ፐርቲስን ብባይሩ ዕቝቢትን
ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት "መገዲ ክርስትያን" ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ምስ ኣለጎሪ
ትጽብጸብ።

፮. ኣስተሰብኦት (Personification)

እዚ ዓይነት ስውያ ንግግር'ዚ፡ ንእንስሳታት፡ ንዕጸዋት፡ ንንዋት ወይ ንረቂቕ ነገር ብባህሪ


ናይ ሰብ ዚግለጸሉ ኣገባብ እዩ። ኣብ መደረ፡ ኣብ ጽሑፍ፡ ኣብ ግጥሚ፡ ኣብ ሕላይ
ኣብ ዝኣመስለ ናይ ጥበብ ስራሕ ድማ ኣድማዒ ውጽኢት ይህብ።
እኽሊ እኽሊ፡ እኽሊ ኣንታ እኽሊ፡ከም ደበና ተሰቒልካ ኣብ ላዕሊ፡ጐበዝ ተሰ’ደ ንኣኻ
ኺደሊ። -ሕላይ

149
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ጥዕና‘ሃበለይ ግዜ ኸመዓልኪ፡ ኣቤት ኣቤት ኣቤት ኣምላኽየ መስክርኪ፡- ሕላይ


*ኣብዚ እኽልን ግዜን ብቕደም ተኸተል ግኡዝን ረቂቕን ክነሱ ከም ሰብ ወይ ድማ
ዚሰምዕ ፍጡር ኮይኑ ይጥቀስ ኣሎ።

፯. ጽውጽዋይ (Fable)

እዚ ዓይነት ስውያ ንግግር’ዚ፡ ንውሕ ዝበለ ዝትሕዝቶኡ ምሁዝ ዛንታ እዩ። ብጀካ’ዚ፡
ካብቲ ጽውጽዋይ ዚቝንጨል ብሂል’ውን ብመልክዕ ሓረግ ንምዝውታር ይካኣል።
ነግዲ ኣምሩ (ካብ ጽዋታት ኤርትራ ዝተወስደ) ብጽሒት ኣንበሳ (ካብ ኤዞፕ ዝተወስደ)።
"ለካ ንድየት ከይወግሐ መሬት፡" በለት ጋዕዋ (ኤርትራዊ ጽዋ)። ልኡኽ ሓሊቦ
(ኤርትራዊ ጽዋ)።
ኵሉ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጽዋታት፡ ንሓደ ጕዳይ፡ ተግባር ወይ ኩነት ከም
መነጻጽርቲ ንምግላጽ ኣብ ዘረባ ወይ ንግግር ዚዝውተር ኣበሃህላ እዩ።

፰. ምሳሌ/ብሂል (Parable)

መንፈሳውን ስነ-ምግባራውን ኣስተምህሮ ዝሓዘ ስውያ ንግግር እዩ።

*እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ። *እተን ዓሰርተ ደናግል። ክናናን ምናናን ዲናን ፋናን (ናይ
ኤርትራ ጽዋ)
*እቲ ቐዳማይን ካልኣይን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስደ እዩ።

፱. ውከሳ ረቂቃን (Apostrophe)

ብዓይኒ ንዘይርአ፡ ብኢድ ንዘይድህስስ፡ ኣብ ኣእምሮ ጥራይ ኪቕጀል ንዚክኣል ነገር፡


ናይ ሰብ ባህሪ ብምልባስ፡ ንኡ ብምምሕጻን ወይ ብምውካስ ዚዝረብ ወይ ዚጽሓፍ
ዓይነት ስውያ ንግግር እዩ።
ኣንቲ ወላዲተ ኣምላክ፡ እንታይ ኮን በዲለኪ እየ!
*ሓቂ ኣበየለኺ ኽደልየኪ?
*ሞት ርግምቲ፡ ዓቢ ኣይትበሊ ንእሽቶ፡ዘይትንሕፊ!
*ካልኣይን ሳልሳይን ናይ ኣስትሰብኦት ባህሪ ኸም ዘሎዎ’ውን ኣስተብህል።

፲. መለሳ- ስም (Metonym)

150
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ንሓደ ነገር ብቐጥታ ብመጸውዒኡ ኣብ ክንዲ ዚርቋሕ፡ በቲ ምስኡ ብትርጉም ኮነ


ብተግባር ዚዛመድ ነገር ዚስየመሉ ኣገባብ ስውያ ንግግር እዩ።
እኽሊ ደቂቕ ኣንታ እኽሊ ደቂቕ፡ ብዘይ ዘንጊ ዓድኻ ዜልቅቕ፡ ብዘይ ድጕሪ ዳንጋኻ
ዜሕቅቕ።
... ኣነ ድየ ንስኺ በደለኛ፡ ላዕላይ ሰማይ ይኹነ ናዳኛ። ኣርብዓ ዓመት ኣብ ዝፋን
ጸንሐ።
*ኣብዚ ሕላያት'ዚ፡ “እኽሊ” ንእንጌራ፡ “ዘንጊ” ንፍርዲ/ንምጕት፡ “ድጕሪ” ንጻዕሪ፡
“ላዕላይ ሰማይ” ንኣምላኽ ተኪኡ ዝኣተወ እዩ። “ዝፋን” ድማ ኣብቲ ዓረፍተነገር
ንንግስና ተኪኡ ዝኣተወ እዩ።

፲፩. ውኽክል (Synecdoche)

ንሓደ ኽፋል በቲ ምሉእ፡ ወይ ድማ ንሓደ ምሉእ ነገር በቲ ንእሽቶ ኽፋሉ ብምርቋሕ


ዚስመየሉ ኣገባብ ስውያ ንግግር እዩ። እንግሊዝ ንጀርመን 1-1 ስዒራታ። ኵልዅሉ
ሸውዓተ ትንፋስእዮም። ሳንቲምዜብልካኽንድዚጃህራ! ዓንበሪኣብማይዚነብርመጥበዊእዩ።
*ኣብታ ቐዳመይቲ ዓረፍተነገር፡ ጋንታ ብሃገር ተወኪላ ኣላ፤ ማለት፡ ንእሽቶ ኽፋል
ብዓብዪ፤ ኣብታ ኻልኣይቲ፡ ሰብ ብትንፋስ፡ ማለት ምሉእ ነገር ብንእሸቶ ኽፋሉ፣ ኣብታ
ሳልሰይቲ ገንዘብ ወይ ሃብቲ ብሳንቲም፡ ማለት፣ ዓቢ ብንእሽቶ ኽፋሉ፡ ኣብቲ ራብዓይ
ድማ ውቅያኖስ ወይ ባሕሪ ብዓብዪ ኽፋሉ ማይ ተወኪሉ ኣሎ።

፲፪. ጸረ ሰረት-ሓሳብ (Antithesis)

ንቓላት፡ ሓረጋት፡ ወይ ዓረፍተነገራት ማዕርማዕረ ብምስራዕ፡ ተጻራሪ ሓሳብ ዜንጸባርቐሉ


ኣገባብ መደረ ወይ ስውያ ንግግር እዩ። ሰብ ኣማሚ እዝጊ ፈጻሚ። ብቓል ዘይኮነስ
ግብሪ።
ስሕተት መፋጥርቲ ደቅ-ኣዳም፡ ይቕረ ምባል ናይ ብጹኣን።

፲፫. ጥርዚ (Climax)

ሓረጋት ወይ ዓረፍተነገራት በብዘይቤኣዊ ሓይሉ እናተሰርዐ ናብቲ ዝለዓለ ደረጃ


ዚዓርገሉ ኣገባብ ስውያ ንግግር እዩ። መጻእኩ፡ ረኣኹ፡ መዋእኩ -ቄሳር ዩልዩስ። ንሓደ

151
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሮማዊ ምእሳር ድፍረት እዩ፡ ምግራፉ ድማ ዜሸቝርር ዓመጽ እዩ፡ ምሕናቑኸ ምስ


ምንታይ ይቝጸር?

፲፬. ጸረ-ጥርዚ (Anticlimax)

ሓረጋት ወይ ዓረፍተነገራት በብዘይበኣዊ ሓይሉ እናተሰርዐ ናብቲ ዝተሓተ ደረጃ


ዚወርደሉ ኣገባብ ስውያ ንግግር እዩ።
-ድያብሎስ ኣቦ ሽፍትነት፡ ሓለቓ ጽልኢ፡ ጐይታ ሓሶት እዩ።
-ዓወት ንኣኻ ዕግበት፡ ንስድራኻ ሓበን፡ ንፈተውትኻ ሓጐስ የጐናጽፍ።

፲፭. ኣጋንኖ (Hyperbole)

ቍሩብ ሓቅነት ካብ ዘሎዎ ነገር ብምብጋስ ዚግበር ዝተጋነነን ዝተዳመቐን መግለጺ


ናይ ሓደ ዅነት እዩ።
እቲ ዱር በቲ ድምጺ ናይቲ ኣራዊትኣንደቕደቐ። ኣብቲ ውግእ፡ መሬት ደም ዛረየት።
ልቡ ብትዕቢት ተነፍሐ። ዋጋ ሰማይ ተሰቕለ።

፲፮. ግርምቢጥ (Irony)

ብኣንጻር ናይቲ ኺብሃል ዝተደልየ እናተዘርበ፡ እቲ ናይ ሓቂ መልእኽቲ ንምትሕልላፍ


ዚዝውተር ናይ ኣቃጫጭ ወይ ኣስተሓቃር ስውያ ንግግር እዩ።
ሰለስተ ዓመት ጥራይ ተፈሪዱ? ወዳጀ ፍትሒ!
ኣብኡ በጺሕካስ እምበኣር ዓንቲርካ፤ ኣብየት ስብእነት!
ካብ ናይ "ጐናይ" ሕላይ ዝተቘንጨለ ድማ፤
…ወሸንዳን ጋወሸን ዓቃቢቶ” ወሸንጋዕሲወ ሸንኵትዅቶ።

፲፯.መካርነት (Aphorism)

ሓጺር ብሂል ወይ ምስላ ዝሓዘ፡ ናይ ሓደ ነገር ኡነትነት ዚገልጽ፡ ብተለምዶ “መሬት


ዘይወድቕ ዘረባ” ዚብሃል ስውያ ንግግር እዩ። ቅድሚ ምእዛዝ፡ ምምእዛዝ ፍለጥ።
ኣብ ልዕለኻ ኺፍጸም ዘይትደልዮ፡ ንስኻ’ውን ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ኣይትፈጽም።
-ኩን ፉ ትጹ (ኮንፊሽየስ)

152
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

፲፰. ኣስተልዝቦ (Euphemism)

ሓደ ቓል ወይ ኣበሃህላ ኣዝዩ ዜሰንብድ፡ ዜሕንኽ ወይ ንምስማዑ ዜሰክፍ ምስ ዚኸውን፡


ብቕቡልን ልዙብን ኣገባብ ዚግለጽሉ ኣገባብ ስውያ እዩ።
ኣብ ክንዲ “ሞይቱ” ዚብሃል፡ “ዓሪፉ” ፤ ኣብ ክንዲ “ውላዱ ሞይትዎ” ዚብሃል፡
“ውላዱ ተጐዲእዎ”፤ ኣብ ክንዲ “ሰሪቑ” ዚብሃል፡ “ቀንጠብጠብ ኢሉ”፤ ወዘተ…

፲፱. ኣስተድምቖ (Overstatement)

ንሓደ ነገር ወይ ፍጻመ ምሒር ብምውዕዋዕ ወይ ብምድማቕ፡ ወይ’ውን ጃህራ


ተውሲኹሉ ዚንገር ዓይነት ስውያ እዩ።
ዓለም ብዓለሙ እዩ ቐቢርዎ። ኣይሂ እዩ ዘኒሙ። እሂናይ ደኣ ዘይወስዶ፡
ብጭራዋጣ’ምበር!
ንሕምቶዶ ሕቶ! እደልዮን ፈረቓን!

፳፩. ኣስተመቕልሎ (Understatement)

ሓደ ነገር ወይ ኩነት ትሕትና ወይ ምቕልልና ብዘሎዎ ኣገባብ ዚግለጸሉ ኽፋል ናይ


ስውያ ንግግር እዩ።
እቲ ገንዘብ ውሑድ ዚብሃል ኣይነበረን (ኣዝዩ ብዙሕ እዩ ነይሩ)።
ስድራቤቱስኡናትዚብሃሉኣይኮኑን(ርኹባት እዮም)። ዓቕሙኣነኣኢስካዘይርኣእዩ(ብዙሕ
ዓቕሚ ኣሎዎ)።

፳፪. ኣስተንትኖ/መደራዊ ሕቶ (Interrogation/Rhetorical question)

ሓደ ሰብ ምስ ገዛእ ርእሱ ኺቈራቘር ወይ ንበይኑ ንኼስተንትን ዚዕድም፡ ብመልክዕ


ሕቶ ዚቐርብ ግና ምላሽ ዘይጽበ ዝዓይነቱ ስውያ ንግግር እዩ።
-ድገኛ ሰበይትስ መን ይረኽባ? ዋጋኣ ኻብ ክቡር ዕንቊ ይኸብር
(ምሳሌ 31-1፡)
-ፍጡር ኮይኑ መን ኣሎ ዘይመዋቲ? እንታይ ኣሎኸ ዘይበራሲ?
እምበኣርከስ ዘልኣለማዊ ዚብሃል ከቶ የልቦን።

፳፫.ስመ-ጽራሕ (Onomatopoeia)

153
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ሰብ፡ እንስሳ ወይ ግዛዕ በቲ ዜተንብሆ ወይ ዚፍንዎ ድምጺ ዚስየመሉ ኣገባብ ስውያ


ንግግር እዩ።
ህር፡ ኳዅ፡ ትግቱግ፡ ቃዕታ፡ ኛምኛም፡ ዓዓ፡ ፊጽፊጽ፡ ፋምፋም፡ ወዘተ... (ንጭርቃን
ዚኣክል ድማ፣ ወዲኒ፡ ጃምቦ፡ ኣብሪረ…)

፳፬.በይነ-ምጕት (Prolepsis)

ሓደ ሰብ ካብ መከራኽርቱ ንኼጋጥሞ ዚኽእል ምጕት ኣቐዲሙ ብምጽባይ፡ ንኡ ምላሽ


ንምድላው፡ ናቱን ናይቲ ብዓል ነገሩን ስምዒት ከይተረፈ እናንጸባረቐ ንበይኑ እናተዛረበ
ዚቈራቘረሉን ዚመጻረየሉን ኣገባብ ስውያ እዩ።

፳፭.ጥበብ መደረ (Rhetorics)

ንስዲ ንባብ፡ ንግጥሚ፡ ንተዋሳኦ ከምኡ ድማ ንስውያ ንግግር ዚሓቍፍ ኣድማዒ ጥበብ
ኣጸሓሕፋን ኣዘራርባን እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ዚድረስ ወይ ዚዝረብ ቃላት፡ ሓረጋት
ወይ ዓረፍተነገራት ብመልክዕ ግጥሚ፡ ስድ-ንባብ፡ ተዋስኦ፡ ድራማ፡ ከምኡ'ውን
ዝተፈላለየ ኣገባብ ስውያ ንግግር ንሰማዒ ዚምስጥ፡ ዚማርኽ፡ ዜሐጐስ፡ ዜጕሂ፡ ዚጕስጕስ፡
ዚንሽጥ ናይ ኣዘራርባ ጥበብ እዩ።

ስርዓተ-ነጥቢ

ስርዓተ ነጥቢ፡ ንሰነ-ጽሑፍ ትሕዝቶኡ ንኺንጽር ዚሕግዝ ብዝተፈላለየ ምልክት


ዚውከል፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኽፋል እዩ። ስርዓተነጥቢ፡ ቃል፡ ሓረግ ወይ ዓረፍተነገር
ዜስብረሉ፡ ዚጥመረሉ፡ ዚድምደመሉ፡ ዚሓትተሉ፡ ዚጐልሓሉ፡ ኣወዳድቓኡን ኣበጋግሳኡን
ዚእምተሉ፡ ኮታስ ንብምሉኡ ትሕዝቶኡ ቅርጺ ወይ መልክዕ ብምትሓዝ ዜብርህ ኣገባብ
እዩ ኺብሃል ይክኣል። ኣብ ትግርኛ፡ እዚ ዚስዕብ ስርዓተ-ነጥቢ ይርከብ።

፩. ክልተ ነጥቢ (፡)

እዚ ምልክት'ዚ፡ እቲ ዝሓጸረ ሰብሪ ኣብ መንጎ ቓላት፡ ሓረጋት ወይ ዓረፍተ ነገር


ይሕብር። ኣዘወታትራኡ ድማ ከምዚ ዚስዕብ እዩ።
(ሀ) ኣብ መንጎ ቓላትን ሓረጋትን እናኣተወ፡ ንትርጉም ናይቲ ዓረፍተ ነገር የጣልል።

154
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ነዚ ነገር'ዚ ዝገበረ ሓውና ኣይኮነን = ሓውና ነዚ ነገር'ዚ ኣይወዓሎን። ነዚ ነገር'ዚ


ዝገበረ፡ ሓውና ኣይኮነን = ~፡ ከም ሓውና ኣይንቘጽሮን።
(ለ) ትሕዝቶ ናይ ነዊሕ ዓረፍተ ነገር ብግቡእ ምእንቲ ኺንጽር፡ ብሰብሪ እናኸፈለ
ይሰርዕ።
ምግቡ ብዝበልዐ፡ ነቲ ብጸሓይ ዝነደደ ሰብነቱ ብዝሑል ማይ ብዝለቕለቐ፡ ዋንግሉን
ግነቲ ኻልኣይ ወዱ ኺርኢ ኸደ።
ትርጉም- እቲ ብሩኽ መሬት።
(ሐ) ኣብ ዝርዝር ናይ ጸብጻብ ይዝውተር። መጽሓፍ፡ ጥራዝ፡ ርሳስ፡ መደምሰስ፡

መጽረቢት ዓድግ።

(መ) ምኽሪ፡ ሓበረታ፡ መልእኽቲ፡ ትእዛዝ፡ ወዘተ. ናብ መን ከም ዚእንፈት ዘሎ ንምንጻር


ብድሕሪ ናይ ተጸውዖ ስም ወይ ተውላጠስም ይኣቱ።
በርሀ፡ ሓንሳእ እስከ ተጸበየኒ። ኣንታ፡ ስለምንታይ ኢኻ ኣብቲ ኣኼባ ዘይመጻእካ?
(ረ) ንበዓልቤት ወይ ንተሳሓቢ፡ ካብቲ ዚገልጾ ኣመልካቲ ኣዛማዲ ሓረጋዊ ቕጽል
ንምፍላይ ይዝውተር።
ምጽዋዕ፡ እታ ሉል ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ኻብ ከበሳ ብ120 ኪ.ሜ ርሕቀት
ጥራይ ተደኲና ዝትርከብ፡ ገማግማ ወትሩ ብዝሁ ምማይባድ ዚሕጸብ እንኮ ወደብን
መዛነይት ከተማን እያ።
(ሰ) ኣብ ቀጥታ ንግግር ብጥቕሲ ቕድሚ ምዕጻው ይኣቱ።
"ኣይፋልን፡ ቀዳም ኣይጥዕመንን እዩ፡" በለ።

፪. ሰረዝ (፣/፤)

ክልተ ዓይነት ሰረዝ ኣሎ፥ ንጽልን ድርብን ድማ ይብሃል። ናይ ሰረዝ ሰብሪ፡ ካብቲ ናይ
ክልተ ነጥቢ ቝሩብ ይነውሕ፥ ካብቲ ኽልተ ሰረዝ ድማ እቲ ድርብ ዝነውሐ ሰብሪ
ይሕብር። በዚ ዚስዕብ ኣገባብ ድማ ይዝውተር።
(ሀ) ንጽል ሰረዝ ኣብ መንጎ ኽልተ ርእሱ ዝኸኣለ ዓረፍተነገራት ከም ድልድል ኣትዩ፡
ቀጻልነት ናይቲ ቐዳማይ ዓረፍተነገር ምስቲ ብድሕረኡ ዚስዕብ የረጋግጽ።
ካልኣይ ሳዕ ክትደግም'ውን ኣየድለየን፣
ነዚ ቓላት'ዚ ኽሰምዕ ብተርባጽ እየ ኽጽበ ጸኒሐ።

155
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ብኡንብኡ፡ በቲ መውጽእ ትኪ፡ ብርቱዕ ድሙቕ ሃልሃልታ ኺሰራሰር ጀመረ፣


እቲ ኻብቲ ሓዊ ዝወጽ አባናድማን ብምሉኡ እቲ ኽሽነ ኣብርሆ።
ትርጉም- ብዘይ ስድራ።
(ለ) ኣብ ቀጥታ ንግግር ቀቅድሚ ምኽፋት ጥቕሲ ይዝወተር። ብርሃነ ድማ፣ "ይፍትሓላ፡
ኣይደልን፡" በለ።
(ሐ) ድርብ ሰረዝ፡ ቀቅድሚ እቲ ብኽልተ ነጥቢ እናተንተርተረ ዚዝርዘር ነገራት ከም
መእተዊ ይዝውተር።
ንሓደ ቐባኣይ ዜድሊ፤ ፐኔሎ፡ ሕብሪ ዘይቲ፡ ንመብዓጢ ዚኸውን ታርፐንታይን፡ ዘይቲ
እንጣጢዕ፡ ሽራዕ፡ እቲ ቐንዲ ናውቱ እዩ ኺብሃል ይክኣል።

፫.ኣርባዕተ ነጥቢ (።)

መደምደምታ ናይ ሓደ ዓረፍተነገር ይሕብር።


...ንግሆ ተንሲአ ጭሕመይ ተላጽየ፡ ገጸይን ርእሰይ ተሓጸብኩ። ብድሕር'ዚ፡ ቍርሰይ
በሊዐ፡ ብታህዋኽ ናብ ስራሐይ ኣምራሕኩ። ኣብ ስራሕና ደንጕየ እየ በጺሐ፣ ስለዚ፡
እናቕባሕባሕኩ፡ ብዓብዪ ስክፍታን ብሰላሕታን ናብታ ቤት-ጽሕፈተይ ኣተኹ።

፬.ትእምርቲ ሕቶ (፧ ወይ ?)

እቲ ቐዳማይ ትእምርቲ ናይ ትግርኛ እዩ፤ እቲ ኻልኣይ ድማ ዓለምለኻዊ። ውዒሉ


ሓዲሩ፡ ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ ኺርዓም ኣሎዎ፣ንበበይኑ ኣገባብ ሕቶ ኸኣ ይዝውተር።
ስለምንታይ ትማሊ ዘይመጻእካ፧(?) በየን ኣቢሉ ኸደ፧( ? )
ገንዘብ ኣሎካዶ፧(?) ሓቀይድየሓስየ፧(?)
ጻዕዳዶጸሊም፧(?) ከይሕምመኒደኣ፧( ? )
ካንኣቕቢጽዎም፧(?) ክኸይድ፧( ? )

፭.ትእምርተ ኣንክሮ (!) እዚ ምልክት'ዚ፡ ዚበዝሕ ግዜ ምስ ቃለኣጋንኖ እዩ ዚዝውተር።

ኡይ! ቅሊው! እዋይ ክትሓስም!


ሃይ! እልል! ዋእ! እንታይ ወሪዱካ!
ዚዝ! ኪርኪር! ኣሰይ፡ ተዓዊተ!
ሻሕ! ውሕ!ውሕ! ክላእ፡ ንየው በሎ!

156
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

፮. ትእምርቲ ጥቕሲ (“...”) ወይ ( ‘...’ )

(ሀ) ኣብ ቀጥታ ንግግር ድርብ ጥቕሲ፥


"መን ኢኻ?" ተዳህየ ቘልጨ ኻብ ውሽጢ።
"ኣነ'የ!" መለሸ እቲ ኣሻንጕሊት ብዓውታ። "ሓንሳዕ ተጸበየኒ፡ ክኸፍተካ'የ፡" በለ
ቘልጨ።
ትርጉም_ፒኖክዮ
*ኣተኣታትዋ ናይቲ ዝተረፈ ስርዓት ነጥቢ’ውን ኪስትብሃለሉ ይግባእ።
(ለ) ኣብ ውሽጢ ቐጥታ ንግግር፡ ካልእ ንግግር ምስ ዚህሉ ንጽል ጥቕሲ ይዝውተር።
"ብድሕርዚ፡ ኣብ እግሪ ሓደ እምባ ኣብ ዝነበረ በዓቲ በጻሕኩ። ኣብቲ ኣፈፌት ሓደ
ሽደን ቈይሙ ነበረ። ምስ ረኣየኒ ድማ፣ ‘እንታይ ዓይነት ፍጥረትከ ትብሃሊ ንስኺ?
ንዕ'ስከ ናብዚ ቕረቢ፡' ኢሉ ተዳህየኒ፡" በለት እታ ደርሆማይ።
ትርጉም-ዝተመርጸ ጽውጽዋያት።
(ሐ) ንሓደ ናይ ባዕዲ ቓል፡ ሽም ወይ ኣምር ንምፍላይ ወይ ንምጕላሕ ይዝውተር።
እንግሊዛውያን ንቐዳመ-ሰንበት "ዊክ አንድ" ይብልዎ።
ብ1962 ፊልም ህንዲ “ማዘር ኢንድያ" ንፋልማይ ግዜ ኣብ ሲነማ ሮማ ተራእየት።
ገለ ኻብቲ ብጥቕሲ ኺግለጽ ዝጸንሐ ሽም፡ ቃል፡ ወዘተ. ብህዝቢ ምስ ተለምደ እቲ
ጥቕሲ ዘየድሊ ኪኽውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሕማም "ኣይድስ" መጀመርታ
ኺቃላሕ ከሎ ብጥቕሲ ተዓጂቡ እዩ ዚጽሓፍ ዝነበረ። ኣብዚ እዋን'ዚ ግና እቲ ሽም
ኣመና ስለ ዝተለምደ ብሌጣ ይጽሓፍ ኣሎ።
ብጀካ'ዚ፡ ሓደሓደ ግዜ ንጽል ጥቕሲ ናይ ድርብ ጥቕሲ ተግባር፡ እቲ ድርብ ድማ
ብኣንጻሩ ዜዘውትሩ ጸሓፍቲ ኸም ዘለዉ'ውን
ንእግረመገዲ ምውካእ የድሊ።

፯. ሓጹር ወይ ቅ'ንፍ ( ) ወይ [ ]

(ሀ) ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓረፍተነገር ተወሳኺ ሓበሬታ ምእታው ምስ ዜድሊ፡ ካብቲ


ቐንዲ መልእኽቲ ተፈልዩ ምእንቲ ኺርአ፡ብኽልተ ጐኑ ብሓጹር ይፍለ። እቲ
ቕንፍ ጐባጥ ሕንጻጽ ወይ ኵርናዕ ዘሎዎ ቅኑዕ ኪኸውን ይኽእል።

እቲ ውጥን ምእንቲ ኺዕወት (ከም ዚዕወት ዘየጠራጥር‘ኳ እንተኾነ)፡ ኵሉ ዓቕሚ


ኺበራበር ይግባእ።

157
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣብቲ ጽንብል (ጽንብል እንተደኣ ተባሂሉ)፡ ብዙሕ ሰብ ኣይተረኽበን።

፰. ጋድም ሕንጻጽ እግሪ ( ___ )

እዚ ምልክት'ዚ፡ እንሓንሳዕ ንዘይተዛዘመ ዓረፍተነገር፡ እንሓንሳእ ኣብ ክንዲ ሓጹር


ይዝውተር። ብጀካ'ዚ፡ ኣብ ቅጺ ኺምላእ ዚግባእ ቦታ ንምሕባር ይሰፍር። ልዕሊ ዅሉ
ዚፈትዎ ነገር እንተ'ሎ ሓደ ነገር ጥራይ እዩ___ንባብ!

ናይዘበንናስልጣነ ___ ስልጣነዶንበሎስይጣነ? ___ ንፖለቲካዊመኽሰብ ልዕሊ ህይወት


ሰብ ምስራዕ እዩ። ሎሚ___ቤት ትምህርቲ ኸይደ (ኣብ/ናብ/ናይ)

፱. ሰለስተ ተርታ ነጥቢ (...)

ጸብጻብ፡ ሓሳብ፡ ንጥፈት፡ ወዘተ... ብምሉኡ ኸም ዘይተዘርዘረ ወይ ዘተረቝሐ


ይሕብር።
ዚስሕቁ፡ ዚውጭጩ፡ ንሓድሓሕድ ዚጸዋዉዑ፡ ዜጣቕዑ፡ ዜፋጽዩ፡ እንቋቝሖ ኸም
ዘውደቓ ደራሁ ዚቐቕዉ... ጸብጺብካ ዚውዳእ ኣይኮነን። ኮታስ፡ እቲ ጭራሕምራሕን
ዝርግርግን ሓንጐል ዜናውጽ እዩ ዝነበረ።
ትርጉም-ፒኖክዮ

፲. ጽሕጋር ( ' )

(ሀ) መብዛሕትኡ ግዜ ንፊደል "እ" ብምትካእ ዚኣቱ ምልክት እዩ። መን እዩ =


መን'ዩ ዋላ እኳ = ዋላ'ኳ ኪዶ እንዶ = ኪዶ'ንዶ ንሱ እምበር = ንሱ'ምበር
ወዘተ...
(ለ) ን "ኣ" ብኸፊል ወይ ብምሉኡ ተኪኡ ዚዝውተረሉ ግዜ ኣሎ። ኣበይ ኣ'ሎ? =
ኣበየ'ሎ (ይ+ኣ=የ / ያ) በየን ኣ'በለ? = በየና'በለ (ን+ኣ=ና) ኣበይከ ኣ'ሎ?=
ኣበይከ'ሎ (ኣ = ') ደሓንዶ ኣ'ሎ? = ደሓንዶ'ሎ (ኣ = ') ወዘተ...
ጽሕጋር፡ ወርትግ ኣድላዪ ማለት ኣይኮነን። ኣውራ ኣውራ'ኳ፡ ኣብ ከምዚ
ኣብ ታሕቲ ተዘርዘሩ ዘሎ ብመስተዋድድን ብኣመልካቲ ተውላጠስምን ዝቖመ ኣዝዩ
ተደጋጋሚ ቓላት፡ ብዘይ ጽሕጋር እንተ ተጻሕፈ ይሓይሽ።
ስለ እዚ = ሰለዚ ብ እዚ = በዚ ከም እቲ = ከምቲ
ን እቲ = ነቲ ኣብ እዚ = ኣብዚ ናብ እዚ = ናብዚ

158
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ምስ እቲ = ምስቲ ካብ እቲ = ካብቲ ወዘተ...


ብዙሓት ጸሓፍቲ ነቲ "እ" ብጽሕጋር ብምትካእ፤ ስለ'ዚ ስለ'ቲ፡ ከም'ዚ፡ ከም'ቲ
ወዘተ...ኪጥቀሙ ይስትብሃል እዩ። እዚ ግና፡ ዘየድሊ ሃልኪ ምውሳኽን ቦታ
ምሽማውን ኬኸትል እንተ ዘይኮይኑ ፋይዳ የብሉን። ስለዚ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ፡
ጽሕጋር ዜብሉ ኣገባብ ምዝውታር ይምረጽ።
(ሐ) ካብዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ቍሩብ ፍልይ ዝበለ ኣተኣ ታትዋ ጽሕጋር'ውን ኣሎ።
1 2 3
ኣነ እንዶ እየ ኣነ እንድ’የ ኣነ‘ንድ’የ
ንስኻ እንዶ ኢኻ ንስኻ እንዲኻ ንስኻ‘ንዲኻ
ንሱ እንዶ እዩ ንሱ እንድ’ዩ ንሱ‘ንድ’ዩ
ወዘተ...
እቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽሪ 1 ዘሎ፡ እቲ ቓል ካበይ ከም ዝመጽአ ንምፍላጥ እንተ ዘይኮይኑ፡
ኣብ ስነ-ጽሑፍ ኣይዝውተርን እዩ። እቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽሪ 2 ዘሎ፡ ኣብ ዘይቀጥታዊ
ንግግር ወይ ኣብ ዓረፍተነገር ዜገልግል ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ቝጽሪ 3 ዘሎ
ድማ ኣብ ቀጥታዊ ንግግር እንተ ወዓለ እዩ ዝሓሸ ውጽኢት ዚህብ።

፲፩. ድርብ ጽሕጋር (,, )

እዚ ምልክት'ዚ፡ ቃል፡ ሓረግ፡ ዓረፍተነገር ወይ ኣሃዝ ኣብ ሓደ ዝርዝር ኪድገም ከሎ፡


ኣብ ክንድኡ፡ ብትሕተኡ ኣብ ዘሎ መስመር ተተኪኡ ዚሰፍር ምልክት እዩ። ሽኮር
ንኺሎ 26 ናቕፋ ቡን ,, 120 ,, ሩዝ ,, 45 ,, ወዘተ...

፲፪. ጋድም ( - )

እዚ ትእምርት'ዚ፡ ድርብ ቃል ኣብ ምድኳን ይዝውተር። ንኣብነት፡

ርእሰ-ምርኰሳ ስርዓተ-ጸሓይ ሰርዓተ-ትንፈሳ


ንግስተ-ሳባ ሃገረ-ናግራን ኣርእስተ-ዜና
መንግስተ-ሰማይ ፍኖተ-ብርሃን ስነ-ጥበብ
ወዘተ...

13. እዝባር ( / )

159
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

እዚ ትእምርት'ዚ ዕለትን ወርሕን ዓመተ-ምሕረትን ኣብ ምፍላይ፡ ንደብዳበ፡ ንሰነድ


ወይ ከምኡ ዝኣመሰለ ትሕዝቶ ዘሎዎ፡ ብፊደልን ብኣሃዝን ንምኽዋም፤ ኣብ ክንዲ
"ወይ" ዚብል ቃል ብምትካእ፤ ከም ሓጹር ኣብ መንጎ ቓላት ብምእታው፡ ወዘተ.
ይዝውተር።

መደምደምታ

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሰለስተ ዓይነት ኣዘራርባን ኣጸሓሕፋን ትግርኛ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈት


ይዝውተር ኣሎ። እቲ ቐዳማይ ዓይነት፡ ምሉእብምሉእ ብሕጊ ሰዋስው ብምምልላስ
ንኣካል፡ ንብዝሒ፡ ንጾታ፡ ንእዋን፡ ንቦታ፡ ንሜላ፡ ወዘተ... ኣብ ግምት ብዘእተወ፡ ንዅሉ
ኽፍላተ ንግግር ብግቡእ ንምዝውታር ዚሕልን እዩ። እዚ ኣገባብ’ዚ፡ ኣብ ስነጽሑፍን
ስነ-ጥበብን ዕዙዝ ግደ ስለ ዘሎዎ ኣገዳስነቱ ዜጠራጥር ኣይኮነን።
እቲ ኻልኣይ ዓይነት ትግርኛ፡ እቲ ነዚ ዕዮ’ዚ ኣብ ምድላው ቅድሚ ሕጂ ኸም
መሰረትን መወከስን ዝኾነ፡ ካብ ውሉድ ወለዶ እናተመሓላለፈ ዝመጽአን በብቝሩብ
ድማ ዝማዕበለን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ ገጠራት ጥራይ ተወሲኑ ተሪፉ ዘሎ እዩ።
ብትሕዝቶ ሰዋስዉን ብላዛኡን፡ ምስቲ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ኣዝዩ ዚቀራረብ፡ ኣብ ስነ-
ጽሑፍ እንተ ወዓለ ድማ ኣመና ዜኽፍእ ዚብሃል ኣይኮነን። ናይ ጥንቲ ግጥምን
ማሰን’ውን፡ በዚ ኣገባብ'ዚ እዩ ዚድረስ ዝነበረ።
እቲ ሓሓሊፉ ዚኽስት፡ ኣብ ቀዳማይን ሳልሳይን ኣካል ንረባሕታ ግሲ ዝምልከት
ዝምድና፡ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ኣካል ኣብ መንጎ ናይ ኣኽብሮትን ናይ
ድርብን ተውላጠስም (ማለት ን"ንስኻትኩም“ ብ"ንስኹም"፡ ን"ንስኻትክን" ብ"ንስኽን"፡
ን“ንሳቶም” ብ“ንሶም”፡ ን“ንሳተን" ብ“ንሰን”፡ ን"ንኣኻትኩም" ብ"ንኣኹም"፡
ን"ንኣቶም" ብ"ንኦም"፡ ወዘተ...) ብምትካእ ዚዝውተር ዝተዘባረቐ ኣዘራርባ ብምእራም፡
ብቐሊሉ ናብቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ሰዋስው ዚኽተል ቋንቋ ክብ ንምባል ብዙሕ ዜጸግም
ኣይኮነን።
እቲ ሳልሳይ ዓይነት ትግርኛ፡ እቲ ብዓይኒ ሰዋስው ጥራይ ዘይኮነስ፡ ብመሰረታዊ
ትሕዝቶኡን ብላዛኡን ከይተረፈ መንነቱ ዘጥፍአ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኽልተ ኣቐዲሙ
ዝተጠቕሰ ኣገባብ ኣዝዩ ዜተሓሳስብ ናይ ቋንቋ ጕድኣት ዜውርድ ዘሎ እዩ። እዚ ዘመን
ኣምጽኦ ጕራማይለን ጕዕጹጽን ዝኾነ ትግርኛ፡ ብምሉኡ ኣብዚ ንምዝርዛር ቦታ ዜፍቅድ
ኣይኮነን። እቲ ግድል ከመይ ከም ዚመስል ሓፈሻዊ ስእሊ ንምቕራብ ዚኣክል ግና
ኣዝዩ ሒደት ካብኡ ቐጺሉ እንሆ።
ንኣብነት፤ ንመደበኛ ግስን ንሓጋዚ ግስን ንግዜ ኣቓልቦ ሰኣን ምሃብ ዚርአ ጕድለት
ኣሎ።

160
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ንኣብነት፣ እቲ ንብረት ክሳዕ ሕጂ ኣይተጻዕነን ዘሎ።


እዚ ዓረፍተነገር’ዚ ብግቡእ ዝተዛዘመ ኣይኮነን። እዚ ኸኣ እቲ ናይ ህላወ ሓጋዚ ግሲ፡
ብቕድሚኡ ኣዛማዲ ተውላጠስም ተለቂብዎ ከም ዘይዛዘም ስለ ዝገበሮ እዩ። ብግቡእ
ምእንቲ ኺዛዘም ከምዚ ዚስዕብ ኪጽሓፍ ምተገብአ፣
እቲ ንብረት ክሳዕ ሕጂኣይተጻዕነን። ወይ እቲንብረትክሳዕሕጂኣይተጻዕነን ኣሎ። ወይ
እቲ ንብረት ክሳዕ ሕጂ ኣይተጻዕነን እዩ ዘሎ። ካልእ ኣብነት፤
“ስለ'ቲጽቡቕግብርኻእናመስገንኩእየ፡”ኪብሃል ይስማዕ እዩ። እዚ ዓረፍተነገር’ዚ፡ ብናይ
ሰዋስው ሕጊ ዝተዛዘመ ምሉእ ሓሳብ ኣይኮነን። ኣመጻጽኣኡ ኻብ ኣምሓርኛ ዝነቐለ
ኾይኑ፡ ዕላማኡ ድማ ንግሲ ብቐጻሊ ህልዊ እዋን ንምግላጽ እዩ። እቲ “እናኣመስገንኩ”
ዚብል ቃል ተወሳኸ-ግሲ እዩ፡ ተውሳኸ-ግሲ ድማ ንግሲ የጕልሕ።
ኣብዚ ዓረፍተነገር’ዚ ግና እቲ ኺጐልሕ ዚግባእ ዝነበረ ግሲ የልቦን። ኣብ ክንድኡ
ብቐጥታ ብሓጋዚ ግሲ “እየ” ተዛዚሙ ኣሎ። ኣብዚ ኣብነት እዚ፡ "እየ" ንተውሳኸግሲ
ከም ሓጋዚ-ግሲ ኾይኑ ተዘውቲሩ ስለ ዘሎ፡ እቲ ዓረፍተነገር ብትርጉም ኮነ ብግዜ
ትሕዝቶኡ ኣይነጸረን። ምእንቲ ኺንጽር በቲ ተውሳኸግሲ ዚጐልሕ “ግሲ” ኪውሰኸሉ
የድሊ።
ንኣብነት፤
“ስለ’ቲጽቡቕግብርኻ(ወትሩ)እናመስገንኩእየዝዝክረካ፡” ንምባል ግና ይክኣል እዩ።
ኣብዚ፡ እቲ ተወሳኸ-ግሲ (እናኣመስገንኩ) ነቲ ግሲ (ዝዝክረካ) እዩ ዜጕልሕ ዘሎ፡ በዚ
ምኽንያት’ዚ ድማ ብግቡእ ዝተዛዘመ ዓረፍተ ነገር ኪብሃል ይክኣል። ከምቲ እቲ
ቐዳማይ ዓረፍተነገር ዝሓለኖ ግና ብህልዊ ቐጻሊ እዋን ዘይኮነስ ብህልዊ ተራ እዋን
እዩ ተቐሚጡ ዘሎ። ብጀካ’ዚ ኣብቲ ቐዳማይ ዓረፍተ ነገር ዘይነበረ ቓል (ዝዝክረካ)
ተወሲኽሉ ንትርጉሙ ቝሩብ ለዊጥዎ ይርከብ።
እቲ ዓረፍተነገር ብህልዊ ቐጻሊ እዋን፡ በቲ ዝተወጠነሉ ኣገባብ ኪዛዘም እንተ ተደልዩ
ግና ከምዚ ዚስዕብ እዩ ዚእረም፤ “ስለ’ቲጽቡቕግብርኻአመስግነካኣለኹ።" ማለት፡ እቲ
“እናኣመስገንኩ እየ” ዝተባህለ፡ “አመስግነካ ኣለኹ” እዩ ኺብሃል ዚግባእ። ብተመሳሳሊ
መገዲ’ምበኣር፡ ከምዚ ዚስዕብ ኣበሃህላ’ውን ኪእረም የድሊ።
ጌጋ ቅኑዕ
እናመጻእኩ እየ እመጽእ ኣለኹ
እናተሰርሐ እዩ ይስራሕ ኣሎ
እናተሃንጸት እያ ትህነጽ ኣላ

161
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ካልእ ሰዋስው ዘይተኸተለ ኣበሃህላ’ውን እንሆ፣ ቅድሚ ሕጂ ዝጸንሐ ኣሰራርሓ


ኺመሓየሽ ገይሩ/ተገይሩ።
እዚ ዓረፍተነገር’ዚ፡ ኣበሩ ኻብቲ ዘይንጹር መልእኽቱ ንምስትብሃል ይክኣል። እቲ
“ኪመሓየሽ” ዚብል ሓረጋዊ ቓል መጻኢ እዋን እዩ ዜመልክት። እቲ ዓረፍተነገር ግና
ብዛዕባ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝጸንሐ ኣሰራርሓ እዩ ዚጠቅስ ዘሎ። ቀንዲ ኣበሩ እምበኣር
እዚ “ኪመሓየሽ” ዚብል ሓረጋዊ ቓል ምስቲ “ገይሩ/ተገይሩ” ዚብል ቀረባ ሕሉፍ ግሲ
ብዘይ ምስናዩ ምኽንያት እዩ።
እቲ ኺምሓላለፍ ዝተሓስበ መእኽቲ ግና ብዛዕባ ኣብ መጻኢ እዋን ዚኽሰት ዘይኮነስ
ብዛዕባ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝተገብረ ምሕየሻ እዩ። ስለዚ ከምዚ ዚስዕብ እንተ ዚጽሓፍ
ቅኑዕ ምተባህለ፣ ቅድሚሕጂዝጸንሐኣሰራርሓኸምዚመሓየሽገይሩ/ተገይሩ።
እቲ “ኺመሓየሽ” ዚብል ንመጻኢ እዋን ዝኣንፈተ ዓብዪ ሓረግ “ኸምዚምሓየሽ”
ብዚብል፡ ብጽግዕተኛ መስተጻምር ስለ ዝተተክአ እቲ ዚድለ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ
ኣሎ።
ተወሳኺ ኣብነት፣ ተቐማጦ ጕልዒ ጽሩይ ማይ ኪሰትዩ በቒዖም። "ኪሰትዩ” ንመጻኢ
እዋን ይሕብር፤ “በቒዖም” ድማ ንቐረባ ሕሉፍ የመልክት። “ኪሰትዩ በቒዖም” ዚብል
ሓረግ እምበኣር ንጹር ትርጉም ኮነ እዋን የብሉን። እዚ ሓረግ'ዚ ብቕኑዕ ሰዋስው
ምእንቲ ኺዛዘም ናይ ክልቲኡ ቓል፡ ማለት ናይቲ ግስን ሓጋዚኡን እዋን ዚሳነ ኪኸውን
የድሊ። ንኣብነት ከምዚ ዚስዕብ ኪብሃል ምተኻእለ፤
ተቐማጦ ጕልዒ ጽሩይ ማይ ንምስታይ በቒዖም።
ተቐማጦ ጕልዒ ጽሩይ ማይ ይሰትዩ ኣለዉ።
ተቐማጦ ጕልዒ ጽሩይ ማይ ኪሰትዩ እዮም።
ሰለስተኡ ዓረፍተ ነገራት ብእዋን ዚፈላለ እዩ።
እቲ ቐዳማይ ቀረባ ሕሉፍ፡
እቲ ኻልኣይ ህልዊ ቀጻሊ፡
እቲ ሳልሳይ ድማ መጻኢ እዋን የመልክት።

ብተመሳሳሊ ኣተናትና፣

ትርጉም ዜብሉ(ጌጋ) ቅኑዕ


... ኪመጽእገይሩ፡ ... ከምዚመጽእገይሩ፡
... ከይመጽእተገይሩ... ... ከምዘይመጽእተገይሩ፡

162
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

... ኪጽሓፍኣይትግበር። ... ከምዚጽሓፍኣይትግበር።


... ከይጽሓፍግበር። ... ከምዘይጽሓፍግበር።
... ኪቝጣዕገይርዎ። ... ከምዚቝጣዕገይርዎ።
ኣብቲ ብግዜ ዝተሳነየሉ ግና እዚ ኣበሃህለዚ ክልተኡ ቕኑዕ ይኸውን ንኣብነት፣ ...
ኪመጽእ ንገሮ ወይ ... ከምዚመጽእ ንገሮ
*ክልቲኡ ቕኑዕ ኣበሃህላ ደኣ ይኹን እምበር መልእኽቱስ ይፈላለ እዩ። እዚ
ኸምዚእናሃ’’ለወ፡= 1. እዚ (ሰብ፡ እንስሳ ወይ ካልእ ህይወታዊ ነገር) ብኸምዚ ኣገባብ
(ብህይወት) እናነበረ፡ 2. እዚ ኸምዚ ገይሩ ሃለውለው እናበለ፡ እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ
= እዚ ዝተጠቕሰ ነገር ኣብ ከምዚ ሃለዋት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ እዚ ኸምዚ እናኾነ
ኸሎ፡
ጸገም፡ ግቡእ፡ ግደታ፡ ወዘተ. . . ይውጻእ ደኣ’ምበር ኣይዋጻእን
እዩ። ሎሚ ግና ከይተሓስበሉን ከይተመመየን ቀጥታ ኻብ ኣምሓርኛ ብምውሳድ፣
“ግቡእና ክንዋጻእ” ወይ “ግቡእና ተዋጺእናዮ” ኪብሃል ይስማዕ እዩ። ኣብ
ክንዲ “ወጽአ” ገቢር፡ “ተዋጽአ” ማለት፡ ካብ ኣጋብሮ ዝተበገሰ ሓረጋዊ ቃል ዜዘውትር
ኣገባብ እዩ ዚኸውን ዘሎ። እቲ ኣዕማድ ካብ ሓደ ምንጪ ወይ ቃል ዝነቐለ እንተ
ኾነ’ኳ፡ እቲ ዚውክሎ ትርጉምስ ዝተፈላለየ ኺኸውን ከም ዚኽእል ኣቐዲምና ርኢናዮ
ኔርና ኢና።
ወጽአ (ገቢር) – (ብጀካቲ ኻልእ ትርጕሙ)፡ ንዘጋጠመ ሽግር፡ ጸገም
ወይ ብድሆ ሰገረ፡ ሓለፈ የስምዕ። ብተዘዋዋሪ መገዲ ድማ ንግቡእ ኣብ መዓልቦኡ
ምብጻሕ የስምዕ።
ተዋጽአ (ተጋብሮ) – ካብ ዝተፈላለየ ምንጪ ተዋህለለ፡ ተኣከበ ወይ ተወከፈ የስምዕ።
ንዘጋጠመ ሽግር፡ ጸገም ወይ ብድሆ ሰገረ፡ ሓለፈ የስምዕ ማለት ግና ኣይኮነን። ንግቡእ
ኣብ መዓልቦኡ ምብጻሕ ዜስምዕ ትርጉም ፍጹም የብሉን። ሓደ ሰብ ምስ ካልእ ሰብ
ዘሎዎ ህልኽ “ኪዋጻእ” ግና ይኽእል’ዩ።
ስለዚ፡ ንብድሆ ምስጋር ወይ ንግቡእ ምስልሳል ዜስምዕ እቲ ገቢር (ወጽአ) ደኣ’ምበር
ተጋብሮ (ተዋጽአ) ኪኸውን ኣይኽእልን፣ ከመይሲ፡ እቲ ተላዒሉ ዘሎ ጕዳይ ብዛዕባ
ምፍጻም ምስልሳል ሓደ ነገር (ግቡእ) ደኣ’ምበር ብዛዕባ ውህለላ ወይ ውከፋ ኣይኮነን።
እቲጸገምተዋጺአዮ፡. . . ግቡአይተዋጺአ/ተዋጺአዮ...
. . . ዝኣመሰለ እናሳዕረረ ዚኸይድ ዘሎ ሓረጋት፡ ትርጉም ኣልቦ ምዃኑ ጥራይ
ከይኣክል፡ ነቲ ቛንቋ ብዓይኒ ሰዋስው ንምምሕያሽ እዚ ዚብሃል እኹል ጻዕሪ ኸም
ዘይተገብረ ዜርኢ ኣብነት እዩ።

163
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ብጀካዚ፡ ብተመሳሳሊ መገዲ ካብ ኣምሓርኛ ዝተራዕመ፡ ብገቢር ኪግለጽ ዚግባእ ተግባር


ወይ ኵነት፡ ሰዋስዋዊ ቀይዲ ብዜብሉ ኣገባብ ብተጋብሮ ኪረብሕ ይስማዕ እዩ። ንኣብነት
ኣብ ክንዲ፣
ብገቢር ብተጋብሮ
ተጨኒቐጸኒሐ ተጫኒቐጸኒሐ
ኣይተጨንቆ ኣይተጫንቆ
ተረቢሸኣለኹ ተራቢሸኣለኹ
ዓቕሊኣጽበበ ዓቕሊኣጻበበ
ቍሩብኣግፍሓዮ ቍሩብኣጋፍሓዮ
ተጸጊዑይነብርኣሎ ተጻጊዑይነብርኣሎ
ካልእ ኣብ ኣተናብሃን ኣጸሓሕፋን ኣተራጉማን ቃላት ትግርኛ፡ ብኣምሓርኛ ብኣሉታ
ዚጽለወሉ ኣጋጣሚ መሊኡ'ሎ። ሒደት ካብኡ ቐጺሉ እንሆ፤ ኣብ ተገብሮ፤
ጌጋ ቅኑዕ ጌጋ ቅኑዕ
ተበለዐ ተበልዐ ተሰተየ ተሰትየ
ተመተረ ተመትረ ተቐተለ ተቐትለ
ተፈለየ ተፈልየ ተነገረ ተነግረ
ተማሃረ ተማህረ ተሰሓበ ተሳሕበ
ተሰበረ ተሰብረ ወዘተ...
ተዘውቲሩ ዚስማዕ ኣብ መሰረታዊ ድምጽ ቓላትን ትርጉሙን ዘሎ ግድፈት፣
ጌጋ ቅኑዕ ጌጋ ቅኑዕ
ጀልባ ጃልባ ቅመም ቀመም
ክራር መሰንቆ/ክራር መኪና ማኪና
ማሸላ መሸላ ቅ'ሬታ ቅርታ
ኣድናቖት ኣድንቖ(ት) ኦሎምፒካዊ ኦሊምፕያዊ
ሰምያዊ ሰማያዊ ሰለማዊ ሰላማዊ
ቴሌቪዥንተለቪዥን ዙፋን ዝፋን
ሹ'ሩ'ባ ሽር'በ ማሲንቆ ጭራ (ዋጣ)
ግመል ገመል እንጀራ ጣይታ ወዘተ...
ብጀካ’ዚ፡ ትግርኛ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ብዓረብኛ'ውን ብኣሉታ ይጽሎ ኣሎ። ትግርኛ ከም
ዝኾነ ኻልእ ቋንቋ ንበይኑ ተገሊሉ ኺነብር ዚኽእል ኣይኮነን፤ ትሕዝቶኡን ዕምቈቱን

164
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኪድንፍዕ እንተ ደኣ ዚድለ ኾይኑ ድማ ካብ ዓረብኛ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብ ዝኾነ ኻልእ


ምስኡ ግውረት ዝፈጠረ ልሳን ኪልቃሕ ባህርያውን ቅቡልን እዩ። እቲ ዘይድለ ዘሎ፡
ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰን ትሒቱ ዚስዕብን ኣብነት፡ ንህላወኡ ዚደናደን ዝዓይነቱ
ኣረዓዕማ ቓላትን ሓረጋትን ዓረፍተነገራትን እዩ። ገለ ኻብቲ ኸም ቅዲ ተወሲዱ
እናሳዕረረ ዚኸይድ ዘሎ ንዓረብኛ ዜምሰልስል ርዕመት ቀጺሉ እንሆ፤
ናበይ ይኸይድ ኣስተብሂሉ ነቲ ጽርግያ ሰገሮ።
እዚ ዓረፍተነገር እዚ፡ መስተጻምር ዝጐደሎ ስለ ዝኾነ፡ ብዓይኒ ሰዋስው ምሉእ
ዓረፍተነገር ኣይኮነን። እቲ ዓብዪ ሓረግን እቲ ቀንዲ ሓረግን ንምልላዩ የጸግም። እቲ
ኪብሃል ዝተደልየ ግና ከምዚ ዚስዕብ እዩ።
ናበይ ከምዚኸይድ ኣስተብሂሉ ነቲ ጽርግያ ሰገሮ። ናበይ ከም ዚኸይድ= ዓብዪ ሓረግ
ኣስተብሂሉ ነቲ ጽርግያ ሰገሮ።= ቀንዲ ሓረግ ተወሳኺ ኣብነት ምስ ዚርአ፣
በየን ከይዱ ኣይፈለጥኩን። በየን ከም ዝኸደ ኣይፈለጥኩን። በየን ገጹ/ኣቢሉ/ገይሩ
ኸም ዝኸደ ኣይፈለጥኩን።
መኣስ መጺኡ ኣይዝከረንን። መኣስ ከም ዝመጸ ኣይዝከረንን።
ከመይ ይዛዘም ክንርኢ ኢና። ከመይ ኢሉ ኸም ዚዛዘም ክንርኢ ኢና።
ከመይ ይዛዝሞ ኽንርኢ ኢና። ከመይ ገይሩ ኸም ዚዛዝሞ ኽንርኢ ኢና።
ከመይ ኣምሊጡ ገሪሙና’ሎ’። ከመይ ኣቢሉ ኸም ዘምለጠ ገሪሙና’ሎ።
*ብኸመይ ይዛዘም፡ ጸኒሕና ንርእዮ። ብኸመይ ኣገባብ ከም ዚዛዘም ጸኒሕና ንርእዮ።
ከመይ ከም ዚዛዘም ጸኒሕና ንርእዮ።
*“ብኸመይ”ዚብል ንኡስ ሓረግ ኣብ ሕቶ ኾነ ሓተታ፡ ወትሩ ምስ “መገዲ፡ ኣገባብ፡”
ዚብል ቃላት ተደሪቡ ደኣ’ምበር ንውልቁ ኣይዝውተርን እዩ።
እንታይ’ዩ ትሕዝቶኡ ኸይፈለጥና... ትሕዝቶኡ እንታይ ምዃኑኸይፈለጥና... እንታይ
ትሕዝቶ ኸም ዘሎዎ ኸይፈለጥና...
ኬፍቅደልካ ድዩስ ኪኣብየካ፡ እንድዒ። እንተስ ኬፍቅደልካ እንተስኪ ኣብየካ፡ እንድዒ።
ይክኣል ድዩ ኣይክኣልን ደሓር ይርአ። ከም ዚክኣልን ዘይክኣልን ደሓር ይርአ።
እንተስ ኪክኣል እንተስ ከይክኣል ደሓር ይረአ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ሓረጋት፡ ንሕጊ ሰዋስው ትግርኛ ፍጹም ዝጐሰየ፡ ንሰማዒ
ዜደናግር፡ ብኣፍ ሓደ ንቛንቋ ትግርኛ ኣዐርዩ ዘይመለኸ ጓና ዚዝረብ ዘሎ እዩ ዚጥዕም።
ስለዚ ኺእረም ይግባእ።
ብጀካ’ዚ፡ ንተውሳኸ-ግሲ “ኣስታት” ብድሕሪ ኣሃዝ ምርቋሕ’ውን እናገነነ ይኸይድ
ኣሎ። ኣብ ክንዲ “ኣስታት 900 ዓመት” ዚብሃል፡ “900 ዓመት ኣስታት” ኪብሃል
ይሰማዕ። እዚ ነቲ ቛንቋ ዜኽስሕ፡ ንመሰረቱ ድማ ዜነቓንቕ ብኣሉታ ዚጸሉ ዓይነት

165
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ርዕመት እዩ። “ኣስታት” ምስ “ዳርጋ” ሕደ ትርጉም ስለ ዘሎዎ ኣዘወታትራኡ'ውን


ሕደ እዩ። ንኣብነት፤
“ዳርጋ ዅላቶም ይፈልጥዎ እዮም” ወይ ድማ “ኣስታት ኵላቶም ይፈልጥዎ እዮም”
ንምባል ይክኣል።
እቲ ሳልሳይ ንትግርኛ ብሃሳዪ መገዲ ዚጸሉ ዘሎ ቛንቋ፡ እንግሊዝኛ እዩ። እዚ ድማ
ንሓረጋትን ዓረፍተ-ነገራትን ብቕርጺ ናይ እንግሊዝኛ ብምስራዕ ወይ ድማ ሓደ ቓል
ናይ እንግሊዝኛ ምስ ሓንቲ ትርጉም ናይ ትግርኛ ጥራይ ብም'ድራግን ብምቝራንን
ዚግበር ናይ ኣተረጓጉማ ዘይቤ የጠቓልል። ነዚ ዚስዕብ ኣብነት ንርአ። ክሳዕ ሕጂ
ኺጽዓተሉ ጸኒሑን ኣሎን።
እቲ “ኺጽዓተሉ” ዚብል ግሲ ምስቲ “ጸኒሑ” ዚብል ሓጋዚ ግሲ ብእዋን ዚሳነ ኪኸውን
ከሎ፡ ምስቲ “ኣሎ” ዚብል ግና ዚሳነ ኣይኮነን። ከመይሲ፡ "ኺጽዓተሉ ጸኒሑ፡” ምባል
ቅኑዕ ኪኸውን ከሎ፡ “ኪጽዓተሉ ኣሎ” ግና ብእዋን ስለ ዘይቃዶ ትርጉም ዜብሉ ድርብ
ቃል እዩ። ስለዚ፡ ብእሩም ኣገባብ ምእንቲ ኺዛዘም፡ እቲ ኣብቲ ድሒሩ ዚመጽእ
ትርጉም ዜብሉ ድርብ ቃል ዚርከብ ግስን ሓጋዚ ግስን ብእዋን ኪሳነ የድሊ። በዚ
መሰረት'ዚ፤ ክሳዕ ሕጂ ኺጽዓተሉ ጸኒሑ፡ ይጽዓተሉ’ውን ኣሎ።
ምባል ይግባእ።"ይጽዓተሉ" ምስ "ኣሎ" ብእዋን ስለ ዚሳነ እቲ ዓረፍተነገር ቅኑዕ
ይኸውን።
ካልእ ካብ እንግሊዝኛ ብቐጥታ ዝተራዕመ ድማ ከምኒ፡ “ከም ሓቂ…፡ ከም ሳዕቤኑ…።
ከም ውጽኢት… ከም ኣብነት… እናተባህለ ዚዝረብን ዚጽሓፍን ትርጉም-ኣልቦ ሓረጋት
ኣሎ።
“ከም” ዚብል ቃል፡ ንሓደ ነገር ምስ ካልእ ነገር ንምንጽጻር ወይ ንምምስሳል ወይ ንኡ
ብምውካል ዚዝውተር መስተዋድድ እዩ።
እስከ ነዚ ዚስዕብ ቃል ብቓል ካብ እንግልዝኛ ዝተራዕመ ኣበሃህላ ንኣብነት ንመልከት፤
ከም ሓቂ ንሱ እዩ በዳሊ። ከም ሳዕቤኑ ብዙሕ ክሳራ ወሪዱ። ከም ውጽኢቱ እቲ
መደብ ኣይተዓወተን። ከም ኣብነት፡ ንሰብ እንተ ሓጊዝካ መንፈስካ ይሕጐስ።
እዚ ዓረፍተነገራት እዚ ንጹር ትርጉም የብሉን። ምኽንያቱ ድማ እቲ "ከም" ዚብል
መስተዋድድ፡ ንዚነጻጸር፡ ንዚውክል ወይ ንዚዳረግ ነገራት ኣይኮነን ዜዛመድ ዘሎ።
እቲ ኺምሓላለፍ ተደልዩ ዘሎ መልእኽቲ ግና ኸምዚ ዚስዕብ ኪኸውን ይኽእል፤
ኣብ ክንዲ "ከም ሓቂ ንሱ እዩ በዳሊ"ዚብሃል፤
ሓቂ ንምዝራብ፡ ንሱ እዩ በዳሊ። ብሓቂ ንምምስካር፡ ንሱ እዩ በዳሊ። ግደ ሓቂ፡ ንሱ
እዩ በዳሊ። ኣብ ክንዲ "ከም ሳዕቤኑ ብዙሕ ክሳራ ወሪዱኒ" ዚብሃል፤

166
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ብሳዕቤኑ ብዙሕ ክሳራ ወሪዱኒ። ብሰንኩ ብዙሕ ክሳራ ወሪዱኒ። ብሰሩ ብዙሕ ክሳራ
ወሪዱኒ። ኣብ ክንዲ "ከም ውጽኢቱ እቲ መደብ ተዓዊቱ/ ኣይተዓወተን"
ዚብሃል፤
ብሳላኡ እቲ መደብ ተዓዊቱ። ብበርከቱ እቲ መደብ ተዓዊቱ። ብሰሩ እቲ መደብ
ኣይተዓወተን። ብሰንኩ እቲ መደብ ኣይተዓወተን። በቲ ወጽኢት ድማ እቲ መደብ
ተዓዊቱ/ኣይተዓወተን። ብውጽኢት እቲ መደብ ድማ ተዓዊቱ/ኣይተዓወተን። ኣብ ክንዲ
"ከም ኣብነት፡ ንሰብ እንተ ሓጊዝካ መንፈስካ ይሕጐስ።"ዚብሃል፡ ንኣብነት፡ ንሰብ እንተ
ሓጊዝካ መንፈስካ ይሕጐስ።
እናተባህለ እንተ ዚዝረብን ዚጽሓፍን ቅኑዕ ምኾነ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ
መስተዋድድ "ከም"፡ ኣነጻጻሪ፡ ኣዳራጊ፡ ኣመሳሳሊ ወይ ወካሊ ቓል ኮይኑ ስለ
ዘይተዘውተረ እዩ። በዚ መንፈስ'ዚ ኺዝውተር ከሎ ድማ እስከ ንርአ፤
ከም ሓዉ ንፉዕ እዩ። ከም ሽዑ ገይሩ ዝሓርበተኒ እዋን ኣይነበረን። ከም ቀንዲ
ዕላማኹም (ጌርኩም) ተቐበልዎ። ከም (ሓደ) ኣብነት (ገይረ) ኣቕረብኩሎም። ከም
(ሓደ) ኣብነት ንምጥቃስ፤ ንሰብ እንተ ሓገዝካ፡ መንፈስካ ይሕጐስ።
ኣብዚ ዓረፍተ ነገራት'ዚ፡ እቲ መስተዋድድ "ከም"፤ ሓው ምስ ሓው፡ እዋን ምስ እዋን፡
ዕላማ ምስ ዕላማ፡ ሓደ ነገር ምስ ካልእ ነገር ስለ ዘነጻጸረን፡ ዘዳረገን፡ ዘመሳሰለን፡
ዘወኻኸለን ብሩህን ቅኑዕን ትርጉም ሂቡ ኣሎ።
ኣብቲ ውጹእ ትግርኛ ዚብሃል'ውን፡ ካብ ካልእ ቋንቋ ዝተወርሰ፡ ምስ ባህሪ ናይ ትግርኛ
ዘይሳነ ኣሰራርዓን ኣዘወታትራን ዓረፍተ-ነገራት ኣሎ። ሓደ ኻብዚ ግድፈት'ዚ፡ ኣብ
ኣጠቓቕማ ናይ ሓጋዚ ግሲ ህላወን ኵነትን ዚስማዕ እዩ።
ኣብቲ ነዚ ኣርእስት'ዚ ዚምልከት ክፍሊ ሰዋስው ከም ዝተገልጸ፡ ሓጋዚ ግሲ ኵነት
(እየ፡ኢኻ፡ እዩ፡ ወዘተ.) ኣውካኢ (ዘካሪ) ወይ ኣጣላሊ (ኣረጋጋጺ) ኪኸውን ከሎ፡ ሓጋዚ
ግሲ ህላወ (ኣለኹ፡ ኣለኻ፡ ኣሎ፡ ወዘተ...) ግና "ሓባሪ" ወይ "ነጋሪ" ግደ ዘሎዎ ዓይነት
ግሲ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ንርአ፤
(ሀ) ሎም መዓልቲ ጋንታ ኣዱሊስ 2-0 ስዒራ። ብቐረባ ሕሉፍ ግሲ፡ እታ ጋንታ ኸም
ዝሰዓረት ጥራይ እዩ ዚነግር ዘሎ።
(ለ) ሎም መዓልቲ ጋንታ ኣዱሊስ 2-0 ስዒራ ኣላ። እታ ጋንታ ኸም ዝሰዓረት ነጊሩ
ወይ ሓቢሩ፡ ተወሳኺ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ኬፍስስ ከም ዝደለየ ይእንፍት ኣሎ።
(ሐ) ሎም መዓልቲ ጋንታ ኣዱሊስ 2-0 ስዒራ እያ። እታ ጋንታ ብጸብለልታ ሸቶ
ጥራይ ከም ዝሰዓረት ኣረጋጊጹ እዩ ዚዛርብ ዘሎ።
(መ) ሎም መዓልቲ ጋንታ ኣዱሊስ 2-0 እያ ስዒራ።
እታ ጋንታ ብሓደ መጠን ሸቶ (2-0) ኸም ዝሰዓረት ኣጣሊሉ እዩ ዚዛረብ ዘሎ።

167
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

(ረ)ሎምመዓልቲጋንታኣዱሊስ2-0እያስዒራዘላ። ኣዱሊስ ካብቲ ዝሓለፈ እዋን ብዝተፈልየ


ብ2-0 ኸም ዝተዓወተት እዩ ዚገልጽ ዘሎ።
(ሰ) ሎም መዓልቲ፡ ኣዱሊስ እታ 2-0 ስዒራ ዘላ ጋንታ እያ። እታ 2-0 ዝሰዓረት ጋንታ
ኣዱሊስ ምዃና እዩ ዜረጋግጽ ዘሎ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ብሓጺሩ ዝቐረበ ኣብነት፡ እቲ ናይ ኵነት ወይ ናይ ህላወ ሓጋዚ ግሲ
ኺዝውተር ከሎ፡ ዝተዘናበለ ትርጉም ከም ዚህብ ብምስግንዛብ፡ ኣብ ኣዘወታትራኡ
ጥንቃቐ ኸም ዜድሊ ንምዝኽኻር ዚኣክል ጥራይ እዩ ዚጥቀስ ዘሎ። ገለ ጸሓፍቲ ወይ
ጋዜጠኛታት፡ ብዘይ ቅጥዒ ናይ ኵነት ወይ ህላወ ሓጋዚ ግሲ ስለ ዜዘውትሩ፡ እቲ
መልእኽቲ ላዛን ማራኽነትን ምስኣኑ ከይኣክል፡ እቲ ቑምነገር ናይቲ ዓረፍተነገር'ውን
ብኡ ምኽንያት ተሰዊሩ ኪባኽን ይስትብሃል።
ኣብ ኣጠቓቕማ ኣመልካቲ ቕጽል፡ ኣብቲ ባህርን ሕግን ናይቲ ቛንቋ ግዲ ሰኣን ምግባር፡
ናይ እንግሊዝኛ፡ ኣምሓርኛ፡ ወይ ካልእ ቋንቋ መልክዕ ንምትሓዝ ብዚመስል ኣገባብ፡
ብፍላይ ድማ ንሓደ ኣቐዲሙ ዝተራእየ፡ ሽሙ ዝተረቝሐ ሰብ፡ እንስሳ፡ ነገር፡ ኣገባብ፡
ኣምር፡ ወዘተ. ተወሳኺ ሓበሬታ ኪውሃብ ከሎ፡ ብዜደናግር መልክዕ ኪዝውተር ይስማዕን
ይንበብን። ነዚ ዚስዕብ ኣብነት ንርአ፤
ሰመረ ህርኩት ሰብ እዩ። እዚ መንእሰይ፡ ካብ እዋን ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ስራሕ ይፈቱ
ነበረ። ሓድሽ ኣዋጅ ወጺኡ'ሎ፤ በዚ መሰረት፡ ክንከፍል መጺእና። ሓድሽ ኣዋጅ
ወጺኡ'ሎ፤ ብመሰረት እዚ፡ ክንከፍል መጺእና።
ነፍስወከፍ ጽምዲ ዓረፍተነገር፡ እቲ ኣብ ውሽጡ ዝሓቘፎ ኽልተ ዓረፍተ ነገራት በቲ
ንጽል ኣመልካቲ ቕጽል ኣዐርዩ ኺዛመድ ስለ ዘይከኣለ ኣይነጸረን። በዚ ምኽንያት'ዚ፡
ሸሞንተ ነንበይኑ ዝትሕዝቶኡ ዓረፍተነገር ይመስል። ብድርብ ኣመልካቲ ቕጽል ኪጥቀስ
ከሎ ግና ከምዚ ዚስዕብ ንጹር ዝትሕዝቶኡ ውጽኢት ይህብ፤
ሰመረ ህርኩት ሰብ እዩ። እዚ መንእሰይ'ዚ፡ ካብ እዋን ቍልዕነቱ ኣትሒዙ ስራሕ
ይፈቱ ነበረ። ሓድሽ እዋጅ ወጺኡ'ሎ፤ በዚ መሰረት'ዚድማክንከፍል መጺእና።
*ኣብ ቀዳማይ ጕጅለ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ተቐሚጡ ዘሎ ዓረፍተነገራት ኣብዚ
ኻልኣይ ጕጅለ በቲ ኻልኣይ ጥራይ ተተኪኡ ኸም ዘሎ ኣስተብህል።
ካብ ግሲ ኣብ ዝነቐለ ስም ዚርአ ሕንፍሽፍሽ፤
ካብ ግሲ ዝነቐለ ኣዝዩ ብዙሕ ስም ኣሎ። እቲ ስም ከከም ኣቃውማኡ፡ ንተግባር፡
ንዅነት፡ ንመሳርሒ፡ ንሞያ፡ ኮታስ ንበበይኑ ዝዓይነቱ ንጥፈት ወይ ሃለዋት ዚምልከት
ኪኸውን ይኽእል። እቲ ብኸምዚ ኣገባብ ዝቘመ ስም፡ ብእሩምን ደረጃ ብዝሓለወን
ኣገባብ ኪጽሓፍ የድሊ፤ ብዝተረፈ፡ ብላዛኡን፡ ብኣድማዕነቱን ጐደሎ ኾይኑ እዩ
ዚተርፍ።

168
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ካብ ግሲ ስም ኣብ ዚወራረደሉ ግዜ፡ ብዙሕ ሕንፍሽፍሽ እዩ ዚርአ። ነዚ ንምር'ዳእ


ዚሕግዝ፡ ሒደት ካብቲ ኻብ ግሲ ዝነቐለ ስም፡ በብ'ቲ ዚውክሎ ጕጅለ ትሒቱ ኪቐርብ
እዩ። ኣብ ኣቀዋውማ ናይቲ ስም፡ ኣብ ተርታ ናይቲ ኣደማምጻ ፊደል ተመሳሳልነት
ከም ዘሎ ምስትብሃል የድሊ።
ኣደማምጻ ተግባራዊ ስም (414 ወይ 6614)፤
ግሲ ተግባራዊ ስም ግሲ ተግባራዊ ስም
ሓረየ ሕርያ መረጸ ምርጻ
ሃሰየ ህስያ ቈለበ ቍልባ
ኰዓተ ኵዕታ ፈሓረ ፍሕራ
ጨወየ ጭውያ መዝገበ ምዝገባ
ጸለቘ ጽልቋ መጽወተ ምጽወታ
ጸመቘ ጽምቋ መስረተ ምስረታ
ለ'መነ ል'መና ከንሸበ ክንሸባ

ግሲ ተግባራዊ ግሲ ግሲ ተግባራዊ ግሲ

መ'ነነ ም'ነና ወርወረ ውርወራ


ቀ'ደሰ ቅ'ደሳ ሃውተተ ህውተታ
መ’ቀነ ም’ቀና ጋዘየ ጋዛ (ጋዝያ)
ወ'ደሰ ው'ደሳ መልመለ ምልመላ
ጠ'በረ ጥ'በራ ተርጐመ ትርጐማ
ጨ'ቈነ ጭ'ቈና ተቘ'ጥዐ ቍ'ጥዓ
ግሲ ተግባራዊ ግሲ ግሲ ተግባራዊ ግሲ
ጨ'ደረ ጭ'ደራ ተንተነ ትንተና
ጨ'መተ ጨመታ(ጭ’መታ) ተንኰሰ ትንኰሳ
ኣ'ወጀ እ'ወጃ ዓንደረ ዕንደራ
ዓ’የነ ዕ’የና ገልበጠ ግልበጣ
ዓ’ደለ ዕ’ደላ ገምገመ ግምገማ
ዓ’ደገ ዕ’ደጋ ጸልጸለ ጽልጸላ

169
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኣደማምጻ ኵነታዊ ስም (641 ወይ 6641)፤

ግሲ ኵነታዊ ስም ግሲ ኵነታዊ ስም
ሃ'ለወ ህ'ላወ ሃዝሃዘ ህዝሃዘ
ሃብለቘ ህብላቘ ለምለመ ልምላመ
ራሕርሐ ርሕራሐ በቝበቘ ብቝባቘ
ደንገጸ ድንጋጸ ተረመሰ ር'ማሰ
ተመ'ጠነ ም'ጣነ ተሰ'የመ ስ'ያመ
ተቘ'ጥዐ ቍ'ጥዐ ተተርጐመ ትርጓመ

ኣደማምጻ ኵነታዊ ስም (641 ወይ 6641)፤

ግሲ ኵነታዊ ስም ግሲ ኵነታዊ ስም
ተተንተነ ትንታነ ተወ'ደሰ ው'ዳሰ
ተዓ'የነ ዕ'ያነ ተገምገመ ግምጋመ
ተጠ'በረ ጥ'ባረ ተጸ'ለለ ጽ'ላለ
ኣሰንበደ ስንባደ ኣበርትዐ ብርታዐ
ኣደንዘዘ ድንዛዘ ሃውተተ ህውታተ
ተሸቝረረ ሽቝራረ ወዘተ...
እዚ ኣብ ላዕሊ ተቐሚጡ ዘሎ ኣብነት ናይ ኣቀዋውማ ግሳዊ ስም፡ ሓደ ዓይነት ኵትሚ
ኸም ዚኽተል ንምስትብሃል ብዙሕ ዜጸግም ኣይኮነን። ገሊኡ፡ ኣብ ክልተኡ ጕጅለ
ዚርከብ ካብ ሓደ ግሲ ዝወጸ ኽነሱ፡ ኣብ ኣዕማዱ ግና ይፈላለ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ
ቐዳማይ ጕጅለ ግሲ፡ ካብ ተሰጋጋሪ ወይ ካብ ናይ ገቢር እጃም ካብ ዘሎዎ ዝመንጨወ
ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ካብ ዘይተሰጋጋሪ ፡ ካብ ተገብሮ ወይ ካብ ኣግብሮ ዝነቐለ
ኾይኑ ይርከብ።
ንኣብነት "ተቘጥዐ" ዚብል ግሲ ኣብ ክልተኡ ኣሎ። ካብዚ ድማ ኣብቲ ቐዳማይ ጕጅለ፡
"ቍ'ጥዓ" ንስምዒት ዘይኮነስ ንተግባር እዩ ዜመልክት። ንኣብነት፡ "ንጸላእቱ፡ ቍጥዓኡ
ኣውረደሎም" ንምባል ይክኣል። ኣብቲ ኻልእይ ጕጅለ፡ ንስምዒት ወይ ትርኢት እዩ
ዚገልጽ። ስለዚ ድማ፡ "ናይ ቈርበት ቍጥዐ" ይብሃል። "ሃውተተ" ዚብል ቃል ምስ
እንርኢ'ውን፡ ኣብ ክልተኡ ጕጅለ ተመሳሳሊ ፍልልይ ይርአ። "ህውተታ" ተግባር
ኪኸውን ከሎ፡ "ህውታተ" ግና ንዅነት ወይ ሳዕቤን ይሕብር። እቲ ኻልእ ዝተረፈ

170
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ግሳዊ ስም'ውን፡ በዚ ኸምዚ ኣገባብ እናተተንተነ ምስ ዚድኰን እዩ ጽቡቕ ውጽኢት


ኪህብ ዚኽእል። ንኣብነት ነዚ ዚስዕብ ኣብ መንጎ ክልተ ወይ ብዙሓት ንዝተኸስተ
ንጥፈት ዚምልከት ስም ንርአ፤
(ሀ) ግሲ ግሳዊ ስም ግሲ ግሳዊ ስም
ተራኸበ ር'ክብ ተዋግአ ው'ግእ
ተማጐተ ም'ጕት ተሃላለኸ ህ'ልኽ
ተናገደ ን'ግድ ተኸራኸረ ክር’ክር
ተጻልአ ጽ'ልእ ተዋገየ ው’ግይ (ውግ’ግይ)
ይቕጽል ...

ግሲ ግሳዊ ስም

ተማጐተ ም’ጕት ተጋጠመ ግ’ጥም


ተላዘበ ል’ዝብ ተላገበ ል’ግብ
ተጻወተ ጽውውት ተወዳደረ ውድድር
ተኸሓሓደ ክሕሕድ ተሰሓሓበ ስሕሕብ
ተጸራረፈ ጽርርፍ ተቓረበ ቅርርብ

ወዘተ...

(ለ) ግሲ ግሳዊ ስም ግሲ ግሳዊ ስም


ተ/ኣዋረደ ውርደት ሓወየ ሕውየት
ሃለቐ ህልቀት መወቐ ሙቐት
ነበረ ንብረት ዓነወ ዕንወት
ተወልደ ውልደት (ልደት) ተጠምቀ ጥምቀት
ተዋ/ኣውህበ ውህበት ሰመረ ስምረት
ይቕጽል ...
ግሲ ግሳዊ ስም ግሲ ግሳዊ ስም
ተ/ኣጨነቐ ጭንቀት ተጣመረ ጥምረት
ሓበረ ሕብረት ሓፈረ ሕፍረት

171
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ተጋወረ ግውረት ተሰድደ ስ’ደት


ዓወረ ዕውረት ሰረረ ስ’ረት
ከበረ ክብረት ከወነ(ኮነ) ኩነት
ጽምአ ጽምኣት ኣውጽአ ውጽኣት
ወዘተ...
(ሐ) ግሲ ግሳዊ ስም ግሲ ግሳዊ
ሰሓተ ስሕታን ዓበደ ዕብዳን
ዓበረ ዕብራን ጨረቐ ጭርቃን
ሃጠረ ህጥራን ሰኸረ ስኽራን
ጨረቐ ጭርቃን ኣረገ እርጋን
ዓረቐ ዕርቃን ሓረቐ ሕርቃን
ሰልጠነ ስልጣን ወዘተ...
(መ) ግሲ ግሳዊ ስም ግሲ ግሳዊ ስም
ለመደ ልማድ ጸገበ ጽጋብ
ደኸመ ድኻም ሓመመ ሕማም
ነደደ ንዳድ ደ’ቀሰ ድ’ቃስ
ከደነ ክዳን ሸ’ፈነ ሽፋን
ወዘተ...
(ረ) ግሲ ግሳዊ ስም ግሲ ግሳዊ ስም
ሰግአ ስግኣት ረወየ ርውየት
ረግአ ርግኣት ሓወየ ሕውየት
ሃድአ ህድኣት ሓመየ ሕምየት
ኣእወየ ኣውያት ጠመየ ጥምየት
ጸምአ ጽምኣት ዓገበ ዕግበት
በሰለ ብስለት ወዘተ...
(ሰ) ግሲ ግሳዊ ስም ግሲ ግሳዊ ስም
ቅር በለ ቅርታ ዝን በለ ዝንታ
ይቕረ በለ ይቕረታ ስቕ በለ ስቕታ
ትሕም በለ ትሕምታ ፍሕሕ በለ ፍሕሕታ
ወዘተ...

172
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

(ሸ) ግሲ ግሳዊ ስም ግሲ ግሳዊ ስም


ተመነየ ትምኒት ተላሃየ ትልሂት
ተሃከየ ትህኪት ተዓበየ ትዕቢት
ተጸበየ ትጽቢት ተራእየ ትርኢት
ተነበየ ወዘተ... ትንቢት ተወፈየ ትውፊት
(ቀ) ግሲ ግሳዊ ስም ግሲ ግሳዊ ስም
ተጻብአ ተጻብኦ ተጻረረ ተጻርሮ
ተዋለደ ተዋልዶ ተቓወመ ተቓውሞ
ተላዘበ ተላዝቦ ወዘተ...
(በ) ግሲ ግሳዊ ስም ግሲ ግሳዊ ስም
በጽሐ ብ’ጽሖት ጸንሐ ጽ’ንሖት
ሰረቐ ስ’ርቖት መለሰ ም’ልሶት
በልዐ ብ’ልዖት ሓረደ ሕ’ርዶት
ኣሸንሀ ሽ’ንሆት *ተሻቐለ ሻቕሎት
*ሰሃረ ሰሃሮ *ሓለየ ሓልዮት
ወዘተ...
ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ እቲ ኣወጻጽኣ ስም ካብ ግሲ፡ ኣብ ትሕዝቶ
ናይቲ መበቈል ቃል፡ ኣብ ኣሰራርዓ ፊደሉ፡ ኣብቲ ባህሪ ናይቲ ዚፈልቕ ዘሎ ቓል
ዚምርኰስ ምዃኑ ንምስትብሃል ይክኣል።
ንኣብነት፡ እቲ ኣብ (ሀ) ዘሎ ኣብ መንጎ ኽልተ ወይ ብዙሓት ዚፍጸም ሓድሕዳዊ
ተግባር ይገልጽ።
እቲ ኣብ (ለ) ዘሎ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰብ፡ ወይ ነገር ዚወርድ ወይ ዚኽሰት ነገር ይሕብር።
እዚ ኣገባብ ኣቀዋውማ ስም ምስ ዚዛባዕ፡ እቲ ትርጉሙ ይዘናበል። ኣብ ክንዲ
"ን'ግድ"፡ "ንግዲ"፤ ኣብ ክንዲ "ቅርታ"፡ "ቅሬታ"፤ ኣብ ክንዲ "ዕግበት"፡ "ዕጋበት"፤ ኣብ
ክንዲ "ሻቕሎት"፡ "ሻቕላ" ኣብ ክንዲ “ጽንሖት“፡ “ጻንሒት ወይ ጻንሖት” ተባሂሉ
ምስ ዚጽሓፍ ወይ ዚዝረብ፡ እቲ ቓል ቅኑዕ ኣብ ርእሲ ዘይምዃኑ፡ ጐደሎ መልእኽቲ
ኼምሓላልፍ'ውን ይኽእል እዩ።
ኣብ ልዕሊ’ዚ ኺጥቀስ ዝተፈተነ፡ ንቛንቋ ትግርኛ ኣዝዩ ዚሃሲ ዘሎ ምዕባለ፡ ዘየድሊ
ናይ ባዕዲ ቓል ከምኒ፡ "ምሽ፡ ከማን፡ በስ፡ ማራ፡ ተማም፡ ኬፍ፡ ወዘተ…" ዚብል ዘረባ
ደቅሹቕ ወይ ዕዋላ፡ ኣብ ዕቱብ ዘረባ ኸይተረፈ ኼንጠብልቝ ይስማዕ ኣሎ። ዘየድሊ
ናይ እንግሊዝኛን ኣምሓርኛን ቃላት’ውን ከምኡ። እዚ፡ ኣድማዒ መልእኽቲ

173
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ

ኸየመሓላልፍ ዚዕንቅጽ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንላዛን ንቕሻረትን ናይቲ ቛንቋ ፍጹም ስለ


ዚድውን ብዘይ ንሕስያ ኺውገድ የድሊ።
ኣብ መጠረሽታ ኺጥቀስ ዚግባእ፡ ቋንቋ መግለጺ መንነት ጥራይ ዘይኮነስ ኣዝዩ ኣገዳሲ
መንኰርኰር ምዕባለ’ውን እዩ። ስለዚ፡ ንቛንቋታትና ብሰዋስው ምሉእ ብምሉእ
ብምምሕያሽ፡ ኣብ ኵሉ ዓወደ ፍልጠትን ንጥፈትን ንምዝውታሩ፡ ከቶ ኽንሕለለሉ
ዘይግባእ እዋን ዚሓትቶ ዘሎ ጕዳይ እዩ።
ተፈጸመ

174

You might also like