Professional Documents
Culture Documents
ኣስመራ - ኤርትራ
፳፻፱ (2017)
1
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ሰዋስው
ሰዋስው ሶሰወ ኻብ ዚብል ቃል ግዕዝ ዝነቐለ ኾይኑ፡ ብቕልል ዝበለ ኣገላልጻ፡ ንቛንቋ
ትሕዝቶኡ ዝነጸረን ዝዓመቘን ምእንቲ ኺኸውን፡ በብደረጃ ዚገርሕ ሕጊ ማለት እዩ።
ሓደ ቛንቋ፡ ብውሑዱ ኣድማዒ ምእንቲ ኺብሃል፡ ካብቲ ኣደዃዅናኡን ኣነዳድቓኡን
ኣመና ኸይረሓቐ፡ ንኣካል፡ ንብዝሒ፡ ንጾታ፡ ንግዜ፡ ንኣረባብሓን ኣዕማድን ግሲ፡
ንኣገባብኣ ቓላት ዚምልከት ሕጊ ሰዋስው ኪሕሉ ግድን የድሊ።
፩. ስም ፭. ተውሳኸ-ግሲ
፪. ተውላጠ ስም ፮. መስተዋድድ
፫. ቅጽል ፯. መስተጻምር
፬. ግሲ ፰. ቃለ-አጋንኖ
፩ ስም
፩. ናይ ተጸውዖ ስም
፪. ናይ ሓባር ስም
፫. ናይ እኩብ ስም
፬. ናይ ረቂቅ ስም
፩. ናይ ተጸውዖ ስም
ንዝኾነ ሰብ፡ እንስሳ፡ ቦታ፡ ህዝቢ፡ ወይ ነገር ናይ ውልቂ መርቍሒኡ እዩ። ንኣብነት፤
በርሀ፡ ፋጥና፡ እምባሶይራ፡ ጐፋር (ንኸልቢ)፡ ኣስመራ፡ ኤርትራ፡ ኣፍሪቃ፡ (ፈለግ) ሰቲት፡
ወርሒ፡ ማርስ፡ መስከረም፡ ሰኑይ፡ ልደት፡ ዓረፋ፡ ወዘተ...
፪. ናይ ሓባር ስም
2
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
(ሀ) ተፈቃዳይ
ክልተ ሰብኡት፡ ሰለስተ ኣንስቲ፡ ጽምዲ ኣብዑር፡ ሸሞንተ ኣጓዱ፡ ኣርባዕተ ማኻይን፡
ምእቲ ደራሁ፡ ሓምሽተ ዓታሩ፡ ወዘተ...
(ለ) ዘይተፈቃዳይ
፫. ናይ እኩብ ስም፣
፬. ናይ ረቂቕ ስም፣
3
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ጾታ
፩. ተባዕታይ ጾታ
፪. ኣንስታይ ጾታ
4
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፩.ኣጓጕል ጾታ
ድርብ ናይ ስም
5
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ንጽል ድርብ
ሕቡር ሕቡራት
ስራሕ ስራሓት
ቈቛሕ ቈቛሓት
ቍራዕ ቍራዓት
ጐራሕ ጐራሓት
ጥዑም ጥዑማት
ጨካን ጨካናት
6
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ኦም ኣእዋም የእዋም
ኢድ ኣእዳው የእዳው
ሓው ኣሕዋት የሕዋት
ዑፍ ኣዕዋፍ የዕዋፍ
እልፊ ኣእላፍ የእላፍ
እምኒ ኣእማን የእማን
ወዘተ...
(ሀ)
ንጽል ድርብ
7
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ብሩር በራውር
መቕበር መቓብር
ሱር ሰራውር
ወዘተ...
(ለ)
ንጽል ድርብ
በጽሒ ኣባጽሕ
በጊዕ ኣባጊዕ
ወርቂ ኣዋርቕ ወዘተ...
(ሀ)
ንጽል ድርብ
ቈጽሊ ኣቝጽልቲ
ዓይኒ ኣዕይንቲ
ዓጽሚ ኣዕጽምቲ
ንጽል ድርብ
መስፍን መሳፍንቲ
8
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
መልኣኽ መላእኽቲ
መኰንን መኳንንቲ ወዘተ...
ንጽል ድርብ
ኣድጊ ኣእዱግ
ዓንዲ ኣዕኑድ
ዓርኪ ኣዕሩኽ
ንጽል ድርብ
ኮኸብ ከዋኽብቲ
ኵርምቲ ኰራርምቲ
ጋኔን ኣጋንንቲ
ዕየት ዕያውቲ
ክዳን ክዳውንቲ
ንዋት ናውቲ (ነዋውቲ) ወዘተ...
ንጽል ድርብ
ቤት-ትምህርቲ ኣብያተ-ትምህርቲ
ቤት-ምግቢ አብያተ-ምግቢ
ቤት-ክርስቲያን ኣብያተ-ክርስቲያን
ቤት-ንባብ ኣብያተ-ንባብ
ቤት-መስተ ኣብያተ-መስተ
9
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፱. ብዘይስሩዕ ዚድረብ፤
ንጽል ድርብ
ሰብኣይ ሰብኡት
ጓል ኣዋልድ
ሰበይቲ ኣንስቲ
ብጻይ ብጾት
መርዓት መርዑት
ወዲ ኣወዳት ወዘተ...
ንጽል ድርብ
ወድ-ገዛ ደቅ-ገዛ
ወድ-ሰብ ደቅ-ሰብ
ጓል-ሰብ ደቅ-ሰብ
ጓል-ዓዲ ኣዋልድ-ዓዲ
ብዓል-ሞያ ሰብ-ሞያ
ብዓል-ቅያ ሰብ-ቅያ
ብዓልቲ-ሓዳር ኣንስቲ/ሰብ-ሓዳር
ሰብኣይ-ሓዳር ሰብኡት/ሰብ-ሓዳር
፲፪. ኪቚጸር ዘይክኣል ነገራት፡ ከምኒ፡ ፈሳሲ፡ በናኒ፡ እኽሊ፡ ገንዘብ ወዘተ... መጠኑ
ብምርቋሕ ብንጽል ጥራይ እዩ ዚዝውተር። ንኣብነት፤ ክልተ ኣበስንቲ ጠስሚ፡ ሰለስተ
10
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ጥርሙስ ነቢት፡ ሰለስተ ኺሎ ስጋ፡ ሽሕ ቅርሺ፡ ብዙሕ ገንኢ ጋዝ፡ ሰለስተ ጣቓ ዓለባ፡
ወዘተ...
፲፫. ድርብ ክነሱ ከም ንጽል ዚዝውተር፡ ንኣብነት፤ መቓብር፡ ኣጻብዕ፡ ኣጽዋር፡ ጋማት፡
ናውቲ፡ ወዘተ...
፲፬. ሓድሓድ ግዜ፡ ስም ብቝጽሪ ብዙሕ ክነሱ፡ ብንጽል ምርቋሕ ይክኣል እዩ፤ ብፍላይ
ድማ ኣብ ተራ ዝርርብ። ንኣብነት፤ ጽምዲ ብዕራይን ሰለስተ ላሕምን ዝነበሮ፡ ሕጂ ግና
ዓሰርተ ደርሆ ጥራይ ኣሎዋኦ።
ንጽል ድርብ
ምያ፣
ስም ተውላጠስም ወይ ተለቃቢ ተውላጠስም ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓረፍተነገር ብሰለስተ
ምያ ይኽሰት። ንሱ ድማ፣
11
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
መወሰኽታ፣
ነፍስወከፍ ቋንቋ ናይ ባዕሉ ሕግን ላዛን ቅሻረትን (ፍሉይ መለለይን) ስለ ዘሎዎ፡
እዚ'ውን ኣብቲ ሰዋስው ኪንጸባረቕ የድሊ። ካብዚ ቐጺሉ፡ ካብቲ ኣብ ዝውተራ ስም
ዚስማዕን ዚንበብን ግድፈት እንሆ።
ተጸውኦ ስም (ሽም ሰብ፡ ቦታ፡ ዓዲ ወዘተ…)፤
12
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ጌጋ ቅኑዕ
ዑቕበ ዕቝበ
ባራኺ በራኺ
መኮንን መኰንን
ሶቓር ሰቛር
ዙፋን ዝፋን
ቦኽረጽየን በዅረጽየን(ጽዮን)
ኣለክሳንደር(ታሪኽ)እስክንድር ዓብዪ
ጌጋ ቅኑዕ
ዓዲ ኢብራሂም ዓዲብርሂም
ዳዕሮ ጳውሎስ ዳዕሮ ቓውሎስ
ደቂ-ጴጥሮስ ደቄጥሮስ
ማይ ዱማ ማይ ድማ
ወኪዱባ ወክድባ
ጻዕዳ ክርስትያን ጻዕዳኽሽታን
እምባ ሶርያ እምባ ሶይራ
ብንያመ ዘርኣይ ሚናበዘርኣይ
ሲነማ ኣዝመራ ሲነማ ኣስመራ
መዋኛ (ፒሺና) መሓምበሲ
ማሳዋ ምጽዋዕ (ባጽዕ)
ለንደን ላንድን
ለባኖን ሊባኖስ
ሳውዝ ኣፍሪካ(ንባብ)ደቡብ ኣፍሪቃ
ኤስያ(ኤሽያ) እስያ
ፐርሽያ ፋርስ
ስዊድን ሽወደን
እንግሊሽ እንግሊዘኛ
ፈለግ ናይል ፈለግ ኒል
ብላክ-ሲ ጸሊም ባሕሪ
ፖርቹጋል ፖርቱጋል
ስፒይን(ስፔን) ስጳኛ ወዘተ. . .
13
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ጌጋ ቅኑዕ
፪ ተውላጠስም
14
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ጕጅለ ተውላጠ ስም
ተውላጠስም ቀዳማይ ኣካል፡ ካልኣይ ኣካል፡ ሳልሳይ ኣካል ተባሂሉ ኣብ ሰለስተ ጕጅለ
ይኽፈል።
ቀዳማይ ኣካል - እቲ ዚዛረብ ዘሎ ሰብ እዩ። ኣነ፡ ንኣይ፡ ንሕና ንኣና ወዘተ... ዚብል
ተውላጠስም ወይ ተለቃቢ ተውላጠስም
ዘሎዎ ሓረግ ድማ የዘውትር።
ካልኣይ ኣካል- እቲ መዛርብቲ ዚኸውን ዘሎ ሰብ እዩ። ንስኻ፡ ንስኺ፡ ንስኹም፡ ንስኽን
ንስኻትኩም፡ ንስኻትክን፡ ኣታ፡ ኣቲ፡ ኣቱም፡ ኣትን፡
ኣቱማት ኣትናት ወዘተ... ዚብል ተውላጠስም ወይ
ድማ ተለቃቢ ተውላጠስም ዘሎዎ ሓረጋት
የዘውትር።
ሳልሳይ ኣካል- እቲ ብዛዕብኡ ዚዝረበሉ ዘሎ ሰብ እዩ። ንሱ፡ ንሳ፡ ንሶም፡ ንሰን፡
ንሳቶም፡ ንሳተን ወዘተ... ዚብል ተውላጠስማት
ወይ ተለቃቢ ተውላጠስም ዘሎዎ ሓረጋት
የዘውትር።
ብዓልቤት ተሰሓቢ
15
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ዝርዝር ናይ ተውላጠ ስም
፩. ናይ ኣካል ተውላጠ ስም
፪. ናይ ዋንነት ተውላጠ ስም
፫. ኣመልካቲ ተውላጠ ስም
፬. ዘይውሱን ተውላጠ ስም
፭. መወክኢ ተውላጠ ስም
፮. ናይ ሕቶ ተውላጠ ስም
፯. ናይ መጠን ተውላጠ ስም
፰. ኣዛማዲ ተውላጠ ስም
፱. ተንጸብራቕን ኣዳማቕን ተውላጠ ስም
፲. ኣመቓራሕን ተመጣጣውን ተውላጠ ስም።
፩. ናይ ኣካል ተውላጠ ስም
16
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ንኣብነት፤
(ኣነ) ተምሃራይ እየ። ኣነ/አ = ብዓልቤት
ንኣኻ ሂቡካ። ንኣኻ(ንንስኻ) = ተሳሓቢ
ሂቡካ(ንሱ) = ብዓል ቤት
17
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
18
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
3ይ እነግረን „ ነጊረየን „
ርሑቕ ሕሉፍ ግዴታ (ትእዛዝ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
2ይ ነገርኩኻ ነገርኩኹም እንገርካ እንገርኩም
2ይነገርኩኹም „ እንገርኩም „
2ይ ነገርኩኺ ነገርኩኽን እንገርኪ እንገርክን
2ይነገርኩኽን „ እንገርክን „
3ይ ነገርኩዎ ነገርኩዎም እንገሮ እንገሮም
3ይነገርኩዎም „ እንገሮም „
3ይ ነገርኩዋ ነገርኩወን እንገራ እንገረን
3ይ ነገርኩወን „ እንገረን „
19
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
20
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
21
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
22
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
23
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
24
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
መላመዲ
፩. ቀዳማይ ኣካል ድርብ ዝብዓልቤቱ (ንነግር፡ ነጊርና፡ ነገርና፡ ንንገር) ናብ ቀጥታዊ
ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ረባሕታ፤
፪. ቀዳማይ ኣካል ድርብ ዝብዓልቤቱ (ንነግር፡ ነጊርና፡ ነገርና፡ ንንገር) ናብ ቀጥታውን
ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውለጠስም ዝኣንፈተ እወታ ኣረባብሓ፤
፫. ካልእይ ኣካል ንጽል ተባዕታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ትነግር፡ ነጊርካ፡ ነገርካ፡ ንገር))፡ ናብ
ዝተፈላለየ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ተለቃብ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ፤
፬. ካልእይ ኣካል ንጽል ተባዕታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ትነግር፡ ነጊርካ፡ ነገርካ፡ ንገር))፡ ናብ
ዝተፈላለየ ቀጥታውን ዘይቀጣውን ተሳሓቢ ኣካል ዝኣንፈተ እወታዊ ረባሕታ፤
፭. ካልእይ ኣካል ንጽል ኣኽብሮታዊ ንተባዕታይ ጾታ ወይ ንድርብ ብሓፈሻ ዝብዓልቤቱ
(ትነግሩ፡ ነጊርኩም፡ ነገርኩም፡ ንገሩ)፡ ናብ ዝተፈላለየ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ኣካል ዝኣንፈተ
እወታዊ ረባሕታ፤
፮. ካልእይ ኣካል ንጽል ኣኽብሮታዊ ንተባዕታይ ጾታ ወይ ንድርብ ብሓፈሻ ዝብዓልቤቱ
(ትነግሩ፡ ነጊርኩም፡ ነገርኩም፡ ንገሩ)፡ ናብ ዝተፈላለየ ቀጥታዊ ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ
ኣካል ዝኣንፈተ እወታዊ ረባሕታ፤
፯. ካልእይ ኣካል ንጽል ኣንስታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ትነግሪ፡ ነጊርኪ፡ ነገርኪ ንገሪ))፡
ናብ ዝተፈላለየ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ተለቃብ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ፤
፰. ካልእይ ኣካል ንጽል ኣንስታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ትነግሪ፡ ነጊርኪ፡ ነገርኪ ንገሪ))፡
ናብ ዝተፈላለየ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ተለቃብ ተውላጠስም ዝኣንፈተ
እወታዊ ኣረባብሓ፤
፱. ካልእይ ኣካል ንንጽል ኣኽብሮታዊ ወይ ንድርብ ኣንስታይ ጾታ (ትነግራ፡ ነጊርክን፡
ነገርክን ንገራ) ዝብዓልቤቱ፡ ናብ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ዝኣንፈተ ናይ ተለቃብ ተውላጠስም
እወታዊ ኣረባብሓ፤
፲. ካልእይ ኣካል ንጽል ኣኽብሮታዊ ወይ ድርብ ኣንስታይ ጾታ (ትነግራ፡ ነጊርክን፡
ነገርክን ንገራ) ዝብዓልቤቱ፡ ናብ ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ዝኣንፈተ ናይ
ተለቃብ ተውላጠስም እወታዊ ኣረባብሓ፤
፲፩. ሳልሳይ ኣካል ንጽል ተባዕታ ጾታ (ይነግር፡ ነጊሩ፡ ነገረ፡ ይንገር)ዝበዓልቤቱ፡ ናብ
ቀጥታዊ ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ፤
፲፪. ሳልሳይ ኣካል ንጽል ተባዕታ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ይነግር፡ ነጊሩ፡ ነገረ፡ ይንገር)፡ ናብ
ቀጥታውን ዘይቀጥታውን ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ ኣረባብሓ፤
፲፫. ሳልሳይ ኣካል ንጽል ኣኽብሮታዊ ወይ ድርብ ተባዕታይ ጾታ ዝብዓልቤቱ (ይነግሩ፡
ነጊሮም፡ ነገሩ፡ ይንገሩ)፡ ናብ ቀጥታዊ ተሳሓቢ ተለቃቢ ተውላጠስም ዝኣንፈተ እወታዊ
ረባሕታ፤
25
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
26
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
27
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
3. ኣመልካቲ ተውላጠስም
(ሀ) እዚ ኽፋል እዚ፡ ንዅሉ ዓይነት ስም፡ ጾታ፡ ብዝሒ፡ ቅርበት፡ ርሕቀት፡ ዝምድና
ብዚሕብር ኣገባብ ኣብ ክንድ ስም ዚኣቱ ቓል ወይ ሓረግ እዩ።
ንጽል ድርብ
ቀረባ ርሑቕ ቀረባ ርሑቕ
እዚ እቲ እዚኣቶም እቲኣቶም
እዚኣ እቲኣ እዚኣተን እቲኣተን
እዚኦም እቲኦም እዚኣቶም እቲኣቶም
እዚአን እቲአን እዚኣተን እቲኣተን
ንኣብነት፣
28
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
29
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
30
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፬.ዘይውሱን ተውላጠ ስም
ኵሉ ዝኾነ ገለ ገለ ገለ
ሓደ ዋላ ሓደ ካልእ ኵሉምሉ
ሒደት ቍሩብ ብዙሕ ሓደሓደ
ተወሳኺ ክልተኦም ነፍስወከፍ መብዛሕትኡ ወዘተ...
ኵሉ ዝተበላሸወ እዩ ዝኾነ ኣምጽኣለይ
ገሊኡ ደሓን ይመስል ሓደ'ኳ ኣይተቐልቀለን
ሓደ ፈኪሩሉ'ሎ ካልእ ክህበካ'የ።
ክልተኦምይምጽኡ መብዛሕትኡተበላሽዩ
*እዚ ተውላጠስም'ዚ፡ ብድሕሪኡ ስም ምስ ዚኽተል ቅጽል ይኸውን። ብጀካ'ዚ ገለ
ኻብዚ ከም ናይ መጠን ተውላጠ-ስም ኪዝውተር ይክኣል። ኣብ ናይ መጠን ተውላጠ
ስም ርአ።
፭. መወክኢ ተውላጠስም
31
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ሕቶ ምላሽ
መን ሂቡካ? ንሱ /ባዕሉ (ብዓል ቤት)
ንመን ሃበቶ? ንኣተን (ተሰሓቢ)
ኣየናይ ይበልጽ? እዚ /እቲ (ብዓል ቤት)
ነየናይ መሪጽካ ነዚ /ነቲ (ተሰሓቢ)
ናይ መን እዩ? ናትና (ዋንነት)
እንታይ ተሰብረ? ክስታይ (ብዓል ቤት)
እንታይ በላዕካ? ክስታይ (ተሰሓቢ)
፯. ናይ መጠን ተውላጠስም
ንስም፡ ብፍቕዲ ወይ ብተርታ ዚትክእ ቃል ወይ ሓረግ እዩ። ፍቕዳውን ተርታውን
ተባሂሉ ድማ ኣብ ክልተ ይኽፈል።
32
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፰. ኣዛማዲ ተውላጠስም
33
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ዝ + እወታ ግሲ
ኣደይ መጽሓፍ ዓደገትለይ። ኣንቢበ ኽውድኦ ኣይከኣልኩን።
እቲ መጽሓፍ፡ ኣደይ ዝዓደገትለይ፡ ኣንቢበ ኽውድኦ ኣይከኣልኩን።
ዝ + ዓደገትለይ = ዝዓደገትለይ
እዚ ወዲ ተምሃራይ እዩ። ወለዱ ኣብ ገጠር ይነብሩ። እዚ ወዲ፡ ወለዱ ኣብ ገጠር
ዚነብሩ ተምሃራይ እዩ።
ዝ + ይነብሩ = ዚነብሩ
( ዝ + ኣይ___ = ዘይ___)
"ኣይ" ዚብል ጥብቆ-ድሕሪት ንኣዛማዲ ተውላጠ- ስም ኣሉታ ቅርጺ ንኺሕዝ ዚዝውተር
እዩ። ክልተኡ ተጸንቢሩ ድማ "ዘይ" ("ዛይ“) ዝውጽኢቱ ኣሉታ የቕውም። ግሲ "ኣንበበ"
ብኣሉታ፡ ብሳልሳይ ኣካል፡ ንጽል፡ ሕሉፍን ህልውን እዋን ምስ ዚትንተን፤
ርሑቕ ህልዊ
ዘይ+ኣንበበት=ዘየንበበት ዘይ+ተንብብ=ዘይተንብብ ዝ + ኣሉታ ቅድመ-ጥባቕ +
ግሲ = ዝ + ኣይ + ግሲ
34
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ኣነ ንባዕለይ ወጺዐ።
ንሳቶም ንገዛእ ርእሶም ይውቀሱ።
ንሳ ንነብሳ ኾይናስ ንኻልእ’ኳ ምኾነት።
ንሕና ንባዕልና ረቢሕና።
35
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ነንሓድሕድኩም ተሓጋገዙ።
ንሓድሕዶም ኣይሰማምዑን እዮም።
ንስንሳትና ዘይንዛተ!
ንስንሳቶም ይጫረቑ ነበሩ።
ነንባዕልና ንሕለ።
36
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
መወሰኽታ
37
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ጌጋ
ንስኹም ትበዝሑ።
ቅኑዕ
ንስኻትኩም ትበዝሑ።
ዘይቅኑዕ
ቅኑዕ
ጌጋ
ንሶም ደቂ ዓዲ ኣይኮኑን።
ቅኑዕ
ንሳቶምደቂዓዲኣይኮኑን።
38
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፫ ቅጽል
፫ ቅጽል ቅጽል ንስም ዚገልጽ ክፍሊ ንግግር እዩ፤ ከምዚ ዚስዕብ ድማ ይዝርዘር።
፩. ኣመልካቲ ቕጽል
ንጽል ድርብ
ተባዕታይ ኣንስታይ ተባዕታይ ኣንስታይ
እዚ እዛ እዞም እዘን
እዞም እዘን እዞም „
እቲ እታ እቶም እተን
እቶም እተን እቶም „
እዚ ሰብኣይ እዘን ሰበይቲ እዘን ኣዋልድ
እቲ ሰደቓ እዞም ኣብዑር እቶም ዓዲ
እቶም ኣቦ እተን ኣዕዋፍ *እቲ ሕብርታት
39
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ንጽል ድርብ
እዚ + _ኦም = እዚኦም እዚ + ኣቶም = እዚኣቶም
እዚ + _አን = እዚአን እዚ + ኣተን = እዚኣተን
እቲ + ኦም = እቲኦም እቲ + ኣቶም = እቲኣቶም
እቲ + አን = እቲአን እቲ + ኣተን = እቲኣተን
40
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
በዚ ገዛ ኣቢልካ ሕለፍ።
ነቲ ቘልዓ ኽትብል ተገዲዓ።
ካብዚ መገዲ ሓንሳእ ተኣሊና ዘይነዕርፍ?
ናብቲ ውሳነ'ቲ ኺበጽሑ ተገዲዶም።
*በዚ፡ ነቲ፡ ካብዚ፡ ናብቲ፡ ምስ ስም ስለ ዝተዘውተረ እዩ ኣመልካቲ ሓረጋዊ ቕጽል
ኮይኑ ዘሎ፡ ብዝተረፈ ግና ኣመልካቲ ሓረጋዊ ተውላጠስም ምተባህለ።
41
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
(ሀ)
(ለ)
42
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
(ሐ)
(መ)
(ረ)
(ሰ)
ገገዘኹም ኪዱ።
ገጉዳይና ኣሎና።
በብጽሒቶም ረኺቦም።
ኣብ ዘዘለኹምዎ ጽንሑ።
ከክእለቶም ኣበርከቱ።
ምስ መመሳርሕትኻ ተፋለጥ።
*እቲ ዚድገም መጀመርታ ፊደል ናብ ግዕዝ ከም ዚልወጥ
ምስትብሃል የድሊ።
43
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፫. ናይ መጠን ቅጽል፡
ሽድሽተምእቲዓመት *ክልተኺሎ
ሓደሽሓዊትግራም ዓሰርተደራሁ
ንዓሰርተዘመን ሰለስተዅንታል
ሓምሽተርብዒት ወዘተ...
(ሐ) ገምጋማዊ - ንስም ብሓፈሻዊ ግምት ናይ ስፍሪ፡ መጠን፡ ክብደት፡ ስፍሓት፡ ቅጺ፡
ወዘተ... ይገልጽ ንኣብነት፤
44
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
(ሀ)
እንታይሕብሪትደሊ ኣየናይቦታትመርጽ?
እንታዋይወዲድኣሉ? ኣየነይቲጓል’ያ?
እንታወይቲነግራምደኣላ? ክንደይግዜይወስድ?
ካበየናይስፍራተበገሰ? በየንሸነኽከደ?
በየናይወገን? ናበየነይቲዓዲ?
መኣስ መዓልቲ? ኣበየናይ ሃገር
መን ደፋር ደኣሉ’ዚ?
(ለ)
45
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
46
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
(ለ) ምሉእ ዝርዝር ናይ ተለቃቢ ቕጽል ዘሎዎ ብጐረሮኣዊ ሳልስ ዚውድእ ስም (ንኣ.
ብርዒ)፡
ስም + ተለቃቢ ዋንነታዊ ቕጽል
ብርዒ + አይ = ብርዕ + አይ = ብርዐይ = ናተይ ብርዒ ብርዕታት + አይ =
ብርዕታተይ = ናተይ ብርዕታት
ምስ ንጽል ስም ምስ ድርብ ስም
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ብርዐይ ብርዕና ብርዕታተይ ብርዕታትና
2ይ ብርዕኻ ብርዕኹም ብርዕታትካ ብርዕታትኩም
2ይ ብርዕኹም „ ብርዕታትኩም „
2ይ ብርዕኺ ብርዕኽን ብርዕታትኪ ብርዕታትክን
2ይ ብርዕኽን „ ብርዕታትክን „
3ይ ብርዑ ብርዖም ብርዕታቱ ብርዕታቶም
3ይ ብርዖም „ ብርዕታቶም „
3ይ ብርዓ ብርዐን ብርዕታታ ብርዕታተን
3ይ ብርዐን „ ብርዕታተን „
*ብርዒ ብሳልስ ፊደል እዩ ዚውድእ፡ እቲ ተለቃቢ ቕጽል ኪውሰኸሉ ኸሎ ግና ናብ
ሳድስ ይቕየር። እቲ ብ ዓዲ “ከ” ዚጅምር ተለቃቢ ቕጽል፡ ብቕድሚኡ ስም (ብርዒ)
ምስ ተወሰኸሉ፡ “ዒ” ሳልስ ብምዃና፡ ንርእሳ ናብ ሳድስ ብምልዋጥ ን “ከ” ግና ናብ
“ኸ” ትልውጦ። ምስ ድርብ ስም ኪኸውን ከሎ ግና እቲ መዛዘሚ ፊደል (ብርዕታት)
"ት" ሳድስ ስለ ዝኾነ እቲ ተለቃቢ ናብ "ኸ" ኣይልወጥን። እዚ ሓደ ግርም ኣብነት
ናይ ዝምድና ፊደላት ኣብ ኣጸሓሕፋ ትግርኛ እዩ።
47
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
(ለ) ቅርጺ ገላጺ - ንስም ዓይነቱ ንምፍላይ ብቕርጹ ወይ ብመሸከሉ እናረቝሐ ይገልጽ።
48
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
(ሸ) ሕብርን ማእነምን ገላጺ - ንሕብሪ ወይ ንዚርምሰስ ዝባን ዚገልጽ ቅጽል እዩ።
49
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
50
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፯. ናይ ኣንፈት ቅጽል፡
51
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፱. ኣንክሮኣዊ ቕጽል
52
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
53
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ኣብ ትግርኛ፡ ቅጽል ጾታን ብዝሕን ይፈሊ እዩ። ብጀካ’ዚ፡ ጾታኡ ውሱን ኣብ ዘይኮነ
ህያውን ግኡዝን ነገራት ዝተፈላለየ ኣገባብ ብዝሕን ጾታን ይኽተል።
54
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ተናኻሲ ንህቢ
ብዙሕ ገንዘብ
ሓያል ሰራዊት
ጽኑዕ ማሕበር
ውሑድዓቕሚ በብዓይነቱባህሊ
ጸበብቲዕድል ሕውስዋስስምዒት
ብዙሕ ተኽእሎ ዝተፈላለየመቕጻዕቲ
ነንበይኑሓሳብ ብርኩትእቶት
55
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
56
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
እዮምዝነበሩ።ካብቶምተጋባእቲሓያሎጠቓሚሓሳባት ፈሰሱ፣ብዙሓት
ክትዓትሰዓቡ፣ኣብመጠረሽታድማ፡ክልተሓፈሻዊውሳነታትነቶምጕዳያት
ከምዚድምድሙዎምተገብሩ። ብኣንስታይጾታእንተዚጽሓፍድማሳዕቤኑንርአ፣
ኣብታቕርዓትብዙሓትኣንስቲተኣከባ።እተንጕዳያት፡ብዛዕባጸልማት
ተጐልቢበንመጠነንዘይተፈልጣኣእዋምዝቘረጻገበነኛታትን፡ኣብተንሰሙናት
እቲኣተንገርጊረንመዓትጥሪትዘጥፍኣዕስለዝብእንንምዝታይእየን ዝነበራ።
ካብተንተጋባእቲሓያሎጠቓሚሓሳባት ፈሰሳ፣ብዙሓትክትዓትሰዓባ፣ኣብ
መጠረሽታድማ፡ክልተሓፈሻዊውሳታትነተንጕዳያትከምዚድምድማአን ተገብራ።
ብኣንስታይ ጾታ ዚርቛሕ ነገር ንምድራቡ ዝቐለለ መሲሉ እንተተራእየ’ኳ በዚ
ኣብ ላዕሊ ዝተኸስተ ውጽኢት ኣዕጋቢ ከም ዘይኸውን ንምግንዛቡ ኣየጸግምን።
(ሰ) ዝተፈላለየ ኣገባብ ዝውተራ ንጽልን ድርብን ቅጽል፤
(ሀ) ሓድሽ ቅዲ (ለ) ናይ ቀደም ቅዲ
ሞያዊሓኪም ብዓል ሞያ ሓኪም
ሞያውያንሓኻይም ሰብ ሞያ ሓኻይም
ልምዳዊትመሕረሲት ብዓልቲ ልምዲ መሕረሲት
ልምዳውያንመሕረስቲ ሰብ ልምዲ መሕረስቲ
ቅያዊ መንእሰይ ብዓል ቅያ መንእሰይ
ቅያውያንመንእሰያት ሰብ ቅያ መንእሰያት
ጥንታውያን ቅርስታት ጥንታዊ ቕርስታት
ታሪኻውያንቦታታት፡ ታሪኻዊ ቦታታት
ፍቕራዊትፊልም ናይ ፍቕሪ ፊልም ወዘተ…
ብመንጽር ላዛን ንጽረትን፡እቲኣብትሕቲ(ለ) ዘሎይምረጽ
፬ ግሲ
ግሲ፡ ንተግባር፡ ንፍጻመ፡ ንዅነት ወይ ንሃለዋት ዚገልጽ ክፍለንግግር እዩ። ኣብ ቋንቋ
ትግርኛ፡ ግሲ ዳርጋ ዅሉ ግዜ ምስ ተለቃቢ ተውላጠስም ተውሃሂዱ ጾታን ብዝሕን
ኣካልን ግዜን ብዚፈሊ ቅርጺ ስለ ዚዝውተር ውጹእ ወይ ንጹር መልክዕ የብሉን። እዚ
ማለት ድማ ከምቲ ኣብ ገሊኡ ቛንቋታት ዚርአ፡ ከም ውጹእ ግሲ ዘይኮነስ ብመልክዕ
ሓረግ ወይ’ውን ዓረፍተ ነገር እዩ ዚዝውተር። ሳሕቲ ግና በቲ ሌጣ ቕርጹ ኸም ቃለ
ኣንክሮ ዚዝውተረሉ ግዜ ኣሎ። ነዚ ንምርዳእ እዚ ዚስዕብ ትንተና ንርአ፣
ኣደዃዅና ግሲ ኣብ ትግርኛ፡ ቃለ-ኣጋንኖኣዊ መልክዕ ካብ ዘሎዎ ቓላት ዝመንጨወ
ይመስል። እዚ ቃለ-ኣጋንኖኣዊ ቓላት እዚ፡ ንድምጺ፡ ንምንቅስቓስ፡ ንዅነት፡ ንኣጋውል
57
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ወዘተ ዚገልጽ ኪኸውን ይኽእል። ግዜ፡ ጾታ፡ ብዝሒ፡ ኣካል፡ ስለ ዘይፈሊ ድማ ኣብዚ
ሕጂ ተታሒዙ ዘሉ ኣርእስቲ ሌጣ ግሲ ዚብል ስያመ እንተ ተዋህቦ ዝሓሸ መግለጺኡ
ይኸውን። ሒደት ነዚ ዚውክል ኣብነት እንሆ፣
ብኽልተ ፊደላት ዝቖመ ሌጣ ግሲ (ቃለ-ኣጋንኖኣዊ ቓል)
ሰፍ ፍር ቂው ጥብ
ብር ጥር ስር ተግ
ነቕ ፍስ ውጭ ጭል
ቃዕ ዋዕ ቋሕ ጻሕ
ራዕ ጸግ ፈግ በግ
መዅ ረፍ ኳሕ ዘፍ
ወዘተ...
58
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
59
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ጻሕ ነጽሐ/ጻሕጽሐ ራዕ ራዕርዐ
ዝል ዘለለ ዛሕ ነዝሐ
ረፍ ዓረፈ ሕዝ ኣሓዘ
ሌጣ ሓረጋዊ ሌጣ ሓረጋዊ
ጽሕፍ ጸሓፈ ርኽብ ረኸበ
ፍንው ፈነወ ስእን ሰኣነ
ብልዕ በልዐ ፍርሕ ፈርሐ
ስትይ ሰተየ ፍልሕ ፈልሐ
ስዕር ሰዓረ ስብር ሰበረ
ፍስሕ ፈሽሓወ ርግጽ ረገጸ
ምጽእ መጽአ ግርዝ ገረዘ
ግዝር ገዘረ ብትን በተነ
ውርድ ወረደ ውጥም ወጠመ
ሰተት ተ/ኣንሳተተ ሸተት ተ/ኣንሻተተ
ሸታሕ ተ/ኣንሻትሐ ንጥር ነጠረ ወዘተ…
ሌጣ ሓረጋዊ ሌጣ ሓረጋዊ
ሕንጥጥ ሓንጠጠ ሕንጽጽ ሓንጸጸ
ብሕጅር ባሕጀረ ሕንፍጥ ሓንፈጠ
ጭሕግር ጫሕገረ ሕርቅም ሓርቀመ
ጽሕትር ጻሕተረ ክትክት ከትከተ
ኵርምይ ኣ/ተዀርመየ ክርትም ከርተመ
ሰንከል ሰንከለ ክንብል ከንበለ
ጭንጕዕ ጨንጕዐ ስንክት ሰንከተ
ዕርዕር ዓርዓረ ሕርሕር ሓርሓረ
60
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ሌጣ ሓረጋዊ ሌጣ ሓረጋዊ
ዓነፍነፍ ተ/ኣዕነፍነፈ ብርቕርቕ ተ/ኣብረቕረቐ
ዓበድበድ ተ/ኣዕበድበደ ዓጀውጀው ተ/ኣዕጀውጀወ
ቀባሕባሕ ተ/ኣቕባሕብሐ ቈጠምጠም ተ/ኣቝጠምጠመ
ፈንጠራዕ ተ/ኣፈነጣርዐ ዓወንወን ተ/ኣዕወንወነ
ሃለብለብ ተ/ኣህለብለበ ዓነውነው *ዓነወ
ዓረግረግ ተ/ኣዕረግረገ ፍልስልስ *ፈለሰ
ዕልቕልቕ ተ/ኣዕለቕለቐ ኽምስምስ ተ/ኣኽመስመሰ
ዓነፍነፍ ተ/ኣዕነፍነፈ ሕርቅምቅም *ሓርቀመ
ጨርቀምቀም *ጨርቀመ ሓልቀምቀም *ሓልቀመ
*ምስቲ ሰለስተ ዝፊደሉ ምንጩ ፍልልይ የብሉን።
እቲ ኻብ ክልተ ዝፊደሉ (ፍር፡ ቂው፡ ጭል ወዘተ) ዝመንጨወ ሌጣ ግሲ (ንፍር፡
ንቅው፡ ወዘተ) ብቐጥታ ምስ ድምጺ ዝተተሓሓዘ ኣገባብ ኣደዃዅና ኪኸውን ከሎ፡
እቲ ዝተረፈ ግና ካብ ፍሉጥ ሓረጋዊ ግሲ ብተመሳሳሊ ግና ኣንጻራዊ ኣገባብ ናብ
ሌጣ ግሲ ዝተዋረደ ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ብርግጽ ከም ምንጪ ናይቲ ሓረጋዊ ግሲ
እዩ ተባሂሉ ኺድምደም ኣይከኣልን።
ኣብ ትግርኛ፡ ክልተ ዓይነት ሓረጋዊ ግሲ ኣሎ። ንሱ ድማ፣
፩. ግሲ /ሓረጋዊ ግሲ
፪. ሓጋዚ-ግሲ ይብሃል።
፩. ግሲ
61
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
*ጾታን ኣካልን ምስቲ ግሲ ተጸንቢሩ ሳልሳይ ኣካል ንጽል ምዃኑ ኣነጺርዎ ኣሎ።
፪. ሓጋዚ ግሲ
62
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
(መ) ሽዑ፡ ተቐላጢፈ ሓንቲ ደብዳበ ጸሓፍኩ። ሸሕ’ኳ ኽንደይ እዋን ከም ዝሓለፈ
እንተ ዘይጠቐሰ፡ እቲ “ጸሓፍኩ” ዚብል ግሲ ናይ ርሑቕ ግዜ ፍጻመ ምዃኑ ይሕብር
ኣሎ።
(ረ) ውርይቲ ልብ-ወልድ ዝጻሓፈ እዩ። እቲ እዋን ርሑቕ ክነሱ ኣዛማዲ ግሲ
ብምዃኑ ሓጋዚ ግሲ ኬድልዮ ይኽእል እዩ።
(ሰ) ቅድሚ ሽዑ፡ ሓንቲ ደብዳበ ጽሒፈ ነበርኩ። እቲ ሓጋዚ (ነበርኩ) እቲ ፍጻመ
ናይ ርሒቕ እዋን ምዃኑ ይሕብር ኣሎ።
ተራ ግሲ (ግሲ)
ሓደ ተራ-ግሲ፡ ተሳጋሪ ወይ ዘይተሳጋሪ ኪኸውን ይኽእል።
63
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
64
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
65
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ንኣብነት፣
*ተጻወመ = ኣደዃዅናኡ ቕቡል ክነሱ ትርጉም ግና የብሉን።
*ተቐዋወመ = ከም ዚቐውም ወይ ዜቕውም ዝተገብረ። *ተጸዋወመ = ኣደዃዅናኡ
ቕቡል ክነሱ ግና ትርጉም የብሉን። ኣቃወመ = 1. ኣብ ምቛም ሓገዘ። 2. ከም
ዚቃወም ገበረ። ኣቀዋወመ = ኣብ ንሓድሕድ ከም ዚቃወም ገበረ።
66
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
67
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
68
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ተመሳሳሊ ኣዕማድ፤
ብኣርባዕተ ፊደላት ብ1411፡ 1441፡ 1461 ዝቖመ፤
ገቢር መኻኸረ መዓዓደ በላልዐ
ተገባብሮ ተመኻኸረ ተመዓዓደ ተበላልዐ
ኣ'ገባብሮ ኣመኻኸረ ኣመዓዓደ ኣበላልዐ
69
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
70
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ናይ ኩነት ሓጋዚ ግሲ
ኣረባብሓ ናይ ኩነት ግሲ ብድምር ናይ "እይ" ዚብል ጥብቆ ቅድሚትን ተለቃቢ
ተውላጠስምን ዝቖመ እዩ። ኣብቲ ድርብ "ይ" ዘሎዎ፡ እቲ "እ" ከም ዘሎዎ ኺተርፍ
ከሎ፡ እቲ ድርብ ፊደል ድማ ምስቲ ብድሕረኡ ዚስዕብ ተለቃቢ ተውላጠስም ተጸንቢሩ፡
ብተሪር ዚድመጽ ናይ "የ" ጅር ይህብ። ኣብቲ ዝተረፈ ግና እቲ "እ" ምስቲ ንጽል
"ይ" ተጸንቢሩ "ኢ" ይኸውን። እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ከኣ ከምዚ ዚስዕብ
ይመስል፤ እይ + ተለቃቢ ተውላጠ ስም = ናይ ኩነት ግሲ
ንኣብነት ንቐዳማይን ንኻልኣይን ኣካል ፡ንጽል፡ ተባዕታይ ጾታ ምስ እንርኢ፤ እይ +
ይ + አ = እ'የ ይ + ይ + አ = 'የ (ብተሪር ይድመጽ) እይ + ኽ + ኣ = ኢኻ እ
+ ይ = ኢ (ናብ ሳልስ ይቕየር) ምስ ናይ ኣካል ተውላጠስም ኪዝውተር ከሎ ድማ
እዚ ዚስዕብ ውጽኢት ይህብ፣
፩. ረባሕታ ግሲ “ኩነት”
71
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
72
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
2ይ ኣ'ለኹም „ ሃ'ልዉ „
2ይ ኣ'ለኺ ኣ'ለኽን ሃ'ልዊ ሃ'ልዋ
2ይ ኣ'ለኽን „ ሃ'ልዋ „
3ይ ኣ'ሎ ኣ'ለዉ ይሃ'ሉ ይሃ'ልዉ
3ይ ኣ'ለዉ „ ይሃ'ልዉ „
3ይ ኣ'ላ ኣ'ለዋ ትሃ'ሉ ይሃ'ልዋ
3ይ ኣ'ለዋ „ ይሃ'ልዋ „
ኣካልን ጾታን ብዝሕን ዘጠቓለለ ረባሕታ ንምሃብ ዘኽኣለ ምዃኑ ምስትብሃል ኣገዳሲ
እዩ። ብጀካ'ዚ፡ ኣብቲ ግድነታዊ ረባሕታ፡ እቲ
ቐዳማይ ኣካል ብ "እ" ኺጅምር ከሎ፡ እቲ ሳልሳይ ኣካል ብ "ይ" እዩ ዚጅምር።
ብተመሳሳሊ ኣገባብ፡ ከምቲ ኣብ ሓጋዚ ግሲ ኹነት ዝተራእየ ኣብዚ'ውን፤
“ ንሳቶም መጺኦም ኣ'ለዉ።”
“ መጺኣቶም ኣ'ለዉ።"
73
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
3. ረባሕታ ግሲ “ነበረ”
74
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ስድራይ ኣብ ዓዲ ይነብሩ።
ኤርትራ ንዘልዓለም ትንበር!
ይንበር ኣይንበር ኣይተፈልጠን።
ኩነት ህላወ
ስራሐይ ወዲአ እየ። ስራሐይ ወዲአ ኣለኹ።
ስራሐይ ወዲአ እየ ነይረ። ስራሐይ ወዲአ ነይረ።
ስራሐይ ወዲአ እየ ዝነበርኩ። ስራሐይ ወዲአ ነበርኩ።
ስራሐይ ክውድእ ቀሪበእየ ስራሐይ ክውድእ ቀሪበነይረ
ወዘተ...
ኣጠቓቕማ ናይ ሓጋዚ ግሲ ኣብ ትግርኛ፡ ካብቲ ናይ እንግሊዝኛ ወይ ካልእ ቋንቋ
ኣዝዩ ዝተፈልየ ባህርን ሕግን ዘሎዎ ምዃኑ፡ በዚ ኣብነት'ዚ ምስትብሃል ይክኣል። ከምቲ
ናይ እንግሊዝኛ፡ ግሲ “ምዃን” (Verb to be) ወይ ግሲ “ምህላው” (Verb to
have) ተባሂሉ ብናቱ ሕጊ ኺስራዕ ምስ ዚፍተን ድማ ዝተፋለሰ ውጽኢት እዩ ዚህብ።
፬. ናይ ሌጣ ግሲ ሓጋዚ ግሲ
ናይ ሌጣ ግሲ ሓጋዚ ግሲ፡ ካብቲ “በለ” ዚብል ገቢር ዝነቐለ፡
ምስ ሌጣ ግሲ ብድሕሪት ብምእታው ዚዝውተር እዩ።ማለት፤ ሌጣ ግሲ + ሓጋዚ ግሲ
በለ
75
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
76
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
77
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
78
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፩. “ኩነት” ምስ “ህላወ”
ንኣብነት፣
እንታይ ትገብር ኣለኻ?
እሰርሕ’የዘለኹ ንስኻ መን ኢኻ?
ኣብዚ ትካል ዝሰርሕ ዘለኹ’የ
(ሀ)
ክትሰርሕ ጸኒሓ ኣላ።
ሰለይ ይብል ኣሎ።
ክዕወት ቀሪበ ነይረ።
ኪኸይድ ሓሲቡ ነይሩ።
79
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
(ሀ) (ሐ)
ክሰርሕ እየ ጸኒሐ። ክሰርሕ ጸኒሐ እየ።
ክንውጥን ኢና ጀሚርና። ክንውጥን ጀሚርና ኢና።
ኪሰፍያ እየን ደልየን። ኪሰፍያ ደልየን እየን።
ኪዛዘም እዩ ቐሪቡ። ኪዛዘም ቀሪቡ እዩ።
(ለ) (መ)
ክሰርሕ እየ ጸኒሐ ዘለኹ/ነይረ። ክሰርሕ ጸኒሐ እየ ዘለኹ/ነይረ።
ክንውጥን ኢና ጀሚርና ዘለና/ኔርና። ክንውጥን ጀሚርና ኢና ዘለና/ኔርና።
ኪሰፍያ እየን ደልየን ዘለዋ/ነይረን። ኪሰፍያ ደልየን እየን ዘለዋ/ነይረን።
ኪዛዘም እዩ ቐሪቡ ዘሎ/ነይሩ። ኪዛዘም ቀሪቡ እዩ ዘሎ/ነይሩ ወዘተ…
80
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ወናኒ ግሲ፡
እዚ ኽፋል'ዚ፡ ካብ ግሲ “ህላወ”፡ ህልዊ-እዋን፡ ወይ ድማ ካብ ግሲ "ነበረ"፡ ተባዕታይ
ወይ ኣንስታይ ጾታ፡ ዝነቐለ፡ ብድሕረኡ ተለቃቢ ተውላጠስም እናተወስኸሉ ዚረብሕ
ው'ነ'ና ዚሕብር ግሲ እዩ። ብጀካ'ዚ፡ ከም ሓጋዚ ግሲ ድማ ይዝውተር። እዚ ዚቕጽል
ኣብነታት ንሳልሳይ ኣካል፡ ንጽል ወይ ድርብ ንኽልተኡ ጾታ ኣብ ግምት ብምእታው
ዝተዘርዘረ ረባሕታ እዩ፤
ግዴታ(ትእዛዝ)
81
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
*ኣብቲ ብዓዲ "ወ“ ዚጅምር ተለቃቢ ተውላጠ ስም፡ እቲ ቐቅድመኡ ዚመጽእ ካዕብ
ፊደል ናብ ሳድስ ከም ዘይተለወጠ ኣስተብህል። ኣብ ንባብ ግና ላዛ ንምሕላው ብሳድስ
ይድመጽ።
(ለ) ህልዊ-እዋን (ኣ'ላ/ኣ'ለዋ + ተለቃቢ ተውላጠስም)
ግዴታ(ትእዛዝ)
82
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ንተባዕታይ ንጽል፤
ርሑቕ ሕሉፍ ቀረባ ሕሉፍ
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ነበረ'ኒ ነበረ'ና ነይሩ'ኒ ነይሩ'ና
2ይ ነበረ'ካ ነበረ'ኩም ነይሩ'ካ ነይሩ'ኩም
2ይ ነበረ'ኩም „ ነይሩ'ኩም „
2ይ ነበረ'ኪ ነበረ'ክን ነይሩ'ኪ ነይሩ'ክን
2ይ ነበረ'ክን „ ነይሩ'ክን „
3ይ ነበሮ ነበሮም ነይሩ'ዎ ነይሩ'ዎም
3ይ ነበሮም „ ነይሩ'ዎም „
3ይ ነበራ ነበረን ነይሩ'ዋ ነይሩ'ወን
3ይ ነበረን „ ነይሩ'ወን „
ንኣንስታይ ንጽል፤
83
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ንተባዕታይ ድርብ፤
ንኣንስታይ ድርብ፤
84
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
85
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
3ይ ይህ‘ሉዎም „ ይነብሮም „
3ይ ይህ‘ሉዋ ይህ‘ሉወን ይነብራ ይነብረን
3ይ ይህ‘ሉወን „ ይነብረን „
*ብተመሳሳሊ ኣገባብ ንንጽል ኣንስታይ (ትህልወኒ፡ ትህልወካ፡ ትህልዎ፡ ወዘተ. ወይ
ትነብረኒ፡ ትነብረካ፡ ትነብሮ፡ ወዘተ.) ከምኡውን ነቲ ዝተረፈ ብዝሕን ጾታን (ይህሉዉኒ፡
ይህልዉኻ፡ ይህልውዎ፡ ወዘተ... ይህልዋኒ፡ ይህልዋኻ፡ ይህልዋእ፡ ወዘተ... ይነብረኒ፡
ይነብረካ፡ ይነብሮ፡ ወዘተ... እናተባህለ)
ብዝተፈላለየ ግዜ ኪረብሕ ይኽእል።
ኣመልካቲ ወናኒ ግሲ ፣ ካብ ኣመልካቲ ተውላጠስም (እንሆ/እንሃ) ዝነቐለ፣ እንሆ/እንሃ
+ ተለቃቢ ተውላጠስም
ንተባዕታይ ንኣንስታይ
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ እ'ንሆ'ኒ እ'ንሆ'ና እ'ንሃት'ኒ እ'ንሃት'ና
2ይ እ'ንሆ'ካ እ'ንሆ'ኩም እ'ንሃት'ካ እ'ንሃት'ኩም
2ይ እ'ንሆ'ኩም „ እ'ንሃት'ኩም „
2ይ እ'ንሆ'ኪ እ'ንሆ'ክን እ'ንሃት'ኪ እ'ንሃት'ክን
2ይ እ'ንሆ'ክን „ እ'ንሃት'ክን „
3ይ እ'ንሆ'ዎ እ'ንሆ'ዎም እ'ንሃ'ቶ እ'ንሃ'ቶም
3ይ እ'ንሆ'ዎም „ እ'ንሃ'ቶም „
3ይ እ'ንሆ'ዋ እ'ንሆ'ወን እ'ንሃ'ታ እ'ንሃ'ተን
3ይ እ'ንሆ'ወን „ እ'ንሃ'ተን „
86
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ረባሕታ ግሲ “ገበረ”
87
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
3ይ ይገብራ „ ይግበራ „
ህ'ልዊ-እዋን ግዴታ(ትእዛዝ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ እኸውን ንኸውን እኹን ንኹን
2ይ ትኸውን ትኾኑ ኩን ኩኑ
2ይ ትኾኑ „ ኩኑ „
2ይ ትኾኒ ትኾና ኩኒ ኩና
2ይ ትኾና „ ኩና „
3ይ ይኸውን ይኾኑ ይኹን ይኹኑ
88
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
3ይ ይኾኑ „ ይኹኑ „
3ይ ትኸውን ይኾና ትኹን ይኹና
3ይ ይኾና „ ይኹና „
ህ'ልዊ-እዋን ግዴታ(ትእዛዝ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ እቐውም ንቐውም እቑም ንቑም
2ይ ትቐውም ትቖሙ ቁም ቁሙ
2ይ ትቖሙ „ ቁሙ „
2ይ ትቖሚ ትቖማ ቁሚ ቁማ
2ይ ትቖማ „ ቁማ „
89
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
*ምስ ተለቃቢ ተውላጠስም እውን ኪረብሕ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ቆመለይ፡ ቆመልካ፡
ቆመሉ፡ ወዘተ… ቆይሙሉ፡ ቌምካልና፡ ቌምናሎም፡ ወዘተ… ይቖመለይ፡ ይቘመልኩም፡
ወዘተ…
ህ'ልዊ-እዋን ግዴታ(ትእዛዝ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ እመውት ንመውት እሙት ንሙት
2ይ ትመውት ትሞቱ ሙት ሙቱ
2ይ ትሞቱ „ ሙቱ „
2ይ ትሞቲ ትሞታ ሙቲ ሙታ
2ይ ትሞታ „ ሙታ „
90
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ኣዛማዲ *ግሲ
91
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ህልዊ ገቢር፤
እወታ ኣሉታ
ዝ+እወታ ገቢር ዝ+ኣይ (ዘይ)+እወታ ገቢር
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ዝጽሕፍ ዝንጽሕፍ ዘይጽሕፍ ዘይንጽሕፍ
2ይ ዝትጽሕፍ ዝትጽሕፉ ዘይትጽሕፍ ዘይትጽሕፉ
2ይ ዝትጽሕፉ „ ዘይትጽሕፉ „
2ይ ዝትጽሕፊ ዝትጽሕፋ ዘይትጽሕፊ ዘይትጽሕፋ
2ይ ዝትጽሕፋ „ ዘይትጽሕፋ „
3ይ ዚጽሕፍ ዚጽሕፉ ዘ'ይጽሕፍ ዘ'ይጽሕፉ
3ይ ዚጽሕፉ „ ዘ'ይጽሕፉ „
3ይ ዝትጽሕፍ ዚጽሕፋ ዘይትጽሕፍ ዘ'ይጽሕፋ
3ይ ዚጽሕፋ „ ዘ'ይጽሕፋ „
ብህልዊ ኣግብሮ፤
92
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
እወታ ኣሉታ
ዝ+እወታ ኣግብሮ ዝ+ኣይ(ዘይ)+ እወታ ኣግብሮ
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ዘጽሕፍ ዝነጽሕፍ ዘየጽሕፍ ዘይነጽሕፍ
2ይ ዝተጽሕፍ ዝተጽሕፉ ዘይተጽሕፍ ዘይተጽሕፉ
2ይ ዝተጽሕፉ „ ዘይተጽሕፉ „
2ይ ዝተጽሕፊ ዝተጽሕፋ ዘይተጽሕፊ ዘይተጽሕፋ
2ይ ዝተጽሕፋ „ ዘይተጽሕፋ „
3ይ ዜጽሕፍ ዜጽሕፉ ዘ'የጽሕፍ ዘ'የጽሕፉ
3ይ ዜጽሕፉ „ ዘ'የጽሕፉ „
3ይ ዝተጽሕፍ ዜጽሕፋ ዘይተጽሕፍ ዘ'የጽሕፋ
3ይ ዜጽሕፋ „ ዘ'የጽሕፋ „
ኣስተብህል፤
93
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
መብርሂ፤
94
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
95
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
3ይ ዘይነበሮም „ ዘየ'ሎ'ዎም „
3ይ ዘይነበራ ዘይነበረን ዘየ'ሎ'ዋ ዘየ'ሎ'ወን
3ይ ዘይነበረን „ ዘየ'ሎ'ወን „
ረባሕታ ናይ “በልዐ”፡
ገቢር ኣግብሮ
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ክበልዕ ክንበልዕ ከብልዕ ከነብልዕ
2ይ ክትበልዕ ክትበልዑ ከተብልዕ ከተብልዑ
2ይ ክትበልዑ „ ከተብልዑ „
2ይ ክትበልዒ ክትበልዓ ከተብልዒ ከተብልዓ
2ይ ክትበልዓ „ ከተብልዓ „
3ይ ኪበልዕ ኪበልዑ ኬብልዕ ኬብልዑ
3ይ ኪበልዑ „ ኬብልዑ „
3ይ ክትበልዕ ኪበልዓ ከተብልዕ ኬብልዓ
3ይ ኪበልዓ „ ኬብልዓ „
ኣካል ገቢር ኣግብሮ
1ይ ክ+እ=ክ ክ+አ=ከ
3ይ ክ+ይ=ኪ ክ+የ=ኬ
*ብመጐት፡ ኣብ ኣግብሮ "ክተብልዕ፡ ክተብልዑ፡ ክተብልዒ ወዘተ... ኪኸውን ምተገብአ።
እቲ ልዒሉ ዝተዘርዘረ ረባሕታ ብግደኡ ተለቃቢ ተውላጠ-ስም ተወሲኽዎ ኪዝውተር
96
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፩. ዓብዪ ዓንቀጽ
እወታ ኣሉታ ሕቶ
ደብዳበ ለኣኸ። ~ ~ኣይለኣኸን። ~ ~ለኣኸዶ?
ትማሊኸይዱ። ~ ~ኣይከደን። ~ ~ከይዱዶ?
ይጓዓዝ ኣሎ። ~ኣይጓዓዝን ኣሎ። ~ይጓዓዝዶ'ሎ?
ኪኸፍል እዩ። ~ኣይኪኸፍልን እዩ ~ኪኸፍል ድዩ?
97
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
እወታ፤
98
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
(ሐ) ኣንክሮኣዊ፤
፫. ንኡስ ዓንቀጽ
(ለ) ቦዝ ዓንቀጽ፤
99
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
100
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፬. ተኽሎኣዊ ዓንቀጽ
101
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
102
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ንጽል ድርብ
ኣካል እወታ ኣሉታ እወታ ኣሉታ
1ይ እ'የ ኣይኮንኩን ኢና ኣይኮንናን
2ይ ኢኻ ኣይኮንካን ኢኹም ኣይኮንኩምን
2ይ ኢኹም ኣይኮንኩምን „ „
2ይ ኢኺ ኣይኮንክን ኢኽን ኣይኮንክንን
2ይ ኢኽን ኣይኮንክንን „ „
3ይ እ'ዩ ኣይኮነን እ'ዮም ኣይኮኑን
3ይ እ'ዮም ኣይኮኑን „ „
3ይ እ'ያ ኣይኮነትን እ'የን ኣይኮናን
3ይ እ'የን ኣይኮናን „ „
*ብዘይ ተውላጠስም ኪዝውተር ከሎ፡ እቲ ግሲ “ኩነት”፡ ብፍላይ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን
ኣካል ብድርብ መልክዕ ኪረብሕ ይስማዕ እዩ። ግና ብዙሕ ልሙድ ኣይኮነን።
እወታ ኣሉታ
103
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ኢኻትኩም ኣይኮንካትኩምን
ኢኻትክን ኣይኮንካትክንን
እ'ያቶም ኣይኮኑታን
እ'ያተን ኣይኮናታን
ኣሉታ ናይ ግሲ “ህላወ”፣
ንጽል ድርብ
ኣካል እወታ ኣሉታ እወታ ኣሉታ
1ይ ኣ'ለኹ የ'ለኹን ኣ'ለና የ'ለናን
2ይ ኣ'ለኻ የ'ለኻን ኣ'ለኹም የ'ለኹምን
2ይ ኣ'ለኹም የ'ለኹምን „ „
2ይ ኣ'ለኺ የ'ለኽን ኣ'ለኽን የ'ለኽንን
2ይ ኣ'ለኽን የ'ለኽንን „ „
3ይ ኣ'ሎ የ'ሎን ኣ'ለዉ የ'ለዉን
3ይ ኣ'ለዉ የ'ለዉን „ „
3ይ ኣ'ላ የ'ላን ኣ'ለዋ የ'ለዋን
3ይ ኣ'ለዋ የ'ለዋን „ „
*ብዘይ ተውላጠስም ኪዝውተር ከሎ፡ ብፍላይ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ኣካል ሳሕቲ
ብድርብ ኪዝረብ ይስማዕ እዩ። እዚ ኣገባብ’ዚ እንተ ተዘውተረ ነቲ ቛንቋ ዝያዳ ንጹርን
ርጡብን ስለ ዚገብሮ ኺተባባዕ ይግባእ።
ምስ ተ/ስም ብዘይ ተ/ስም ብዘይ ተ/ስም
ኣካል ድርብ (እወታ) ድርብ (እወታ) ድርብ (ኣሉታ)
2ይ ኣ'ለኹም ኣ'ለኻትኩም የ'ለኻትኩምን
2ይ ኣ'ለኽን ኣ'ለኻትክን የ'ለኻትክንን
104
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ኣሉታ ናይ ግሲ "ውነና“፣
ንጽል ድርብ
ኣካል እወታ ኣሉታ እወታ ኣሉታ
1ይ ኣ'ሎ'ኒ የብ'ለይን ኣ'ሎ'ና የብልናን
2ይ ኣ'ሎ'ካ የብልካን ኣ'ሎ'ኩም የብልኩምን
2ይ ኣ'ሎ'ኩም የብልኩምን „ „
2ይ ኣ'ሎ'ኪ የብልክን ኣ'ሎ'ክን የብልክንን
2ይ ኣ'ሎ'ክን የብልክንን „ „
3ይ ኣ'ሎ'ዎ የብ'ሉን ኣ'ሎ'ዎም የብ'ሎምን
3ይ ኣ'ሎ'ዎም የብ'ሎምን „ „
3ይ ኣ'ሎ'ዋ የብ'ላን ኣ'ሎ'ወን የብ'ለንን
3ይ ኣ'ሎ'ወን የብ'ለንን „ „
ናይ ሕቶ ግሲ፣
105
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
106
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
107
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ብቐጥታ ብመተካእታ
ንጥፈት፤
108
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ኵነት ወይ ትርኢት፤
እዋን ኣብ ግሲ፣
109
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ብመጻኢ እዋን፡ ብእወታን ብኣሉታን ብሕቶን መልክዕ ብሳልሳይ ኣካል፡ ንጽል፡ ተባዕታይ
ጾታ በዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘሎ ኣሕጽሮት መሰረት ተዘርዚሩ እንሆ። ኣሕጽሮት፣
ህ. = ህልዊ እዋን። ቀሊ.መ. = ቀሊል መጻኢ።
ሓ. = ሓባሪ ሓጋዚ ግሲ (ህላወ)። ተ,ግ. = ተውሳኸ-ግሲ።
ሓረግ = ዓብዪ ሓረግ። ኣዛ. = ኣዛማዲ (ዝ__)።
ሕ. = ሕሉፍ እዋን። ኣጣ. = ኣጣላሊ ሓጋዚ ግሲ (ዅነት)።
መ. = መጻኢ እዋን። እና__ = ተውሳኸ ግሳዊ ጥባቕ።
ር. = ርሑቕ። እና__ኸሎ = ቀጻሊ ተ.ግ.(ቀ.ተ.ግ.)
ቀ. = ቀረባ። ጥ.ቅ. = ጥብቆ ቕድሚት።
ንኣብነት፤ ህ.ሓ=ህልዊ ሓጋዚ (ኣሎ)።
ር.ሕ.=ርሑቕ ሕሉፍ እዋን (ግሲ)።
ር.ሕ.ሓ.=ርሑቕ ሕሉፍ ሓጋዚ (ነበረ)።
ቀ.ሕ.ሓ= ቀረባ ሕሉፍ ሓጋዚ ግሲ (ነይሩ)። ኣዛ. ህ. ሓ.=ኣዛማዲ ህልዊ ሓጋዚ (ዘሎ)።
ኣዛ.ሕ.=ዝ+ርሑቕ ሕሉፍ ግሲ። ኣዛ.ሕ.ሓ.=ኣዛማዲ ሕሉፍ ሓግዚ ግሲ (ዝነበረ)።
ኣዛ.ር.ሕ.=ኣዛማዲ ርሑቕ ሕሉፍ እዋን(ዝ__)። ኣጣ=ኣጣላሊ ሓጋዚ ናይ ኵነት ግሲ
(እዩ)። እና+ር.ሕ.= ንኣ. እናሰርሐ። እና___ኸሎ= ሓረግ = ንኣ. እናሰርሐ ኸሎ ወዘተ...
1ይ ኣብነት፣
110
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
„ ሰርሐዶ(ኣይሰርሐንዶ) ?
ዝሰርሐዶ(ዘይሰርሐዶ) ኣይዕወትን(ይዕወት) ?
2ይ ኣብነት፣
111
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
112
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
113
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
114
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
115
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
116
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
117
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
118
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
-(ኣብ)It ክረምቲ
rains in summer.
ይዘንም / ይዘንም እዩ /እዩ ዚዘንም።
(ለ) ህልዊ ቀጻሊ እዋን ( The present continuous tense )
-እቲ Iመጽሓፍ
have read the books.
ኣንቢበዮ/ኣንቢበዮ ኣለኹ/እየ
-ክዅሕኵሕ
I have been knocking.
ጸኒሐ/ጸኒሐ ኣለኹ/እየ ጸኒሐ።
3. ናይ መጻኢ ኣገባባት( Future forms )
(ሀ) ቀሊል ህልዊ (Simple Present)
120
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
121
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
-I will write to Ato Tekle and I’ll inform him about the matter.
-ንኣቶ ተኽለ ደብዳበ ጽሒፈ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ክነግሮ እየ።
-I’ll be writing to Ato Tekle and I’ll inform him about the matter.
-ንኣቶ ተኽለ ሓደ ደብዳበ ኽጽሕፈሉ እየ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ድማ ኽነግሮ እየ።
*እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘረ ኣብነታት፡ ነፍስወከፍ ቋንቋ ናይ ገዛእ-ርእሱ ባህርን ኣገባብን
ከም ዘሎዎ፡ ናይ ግሲ እዋን ድማ ብመንጽር እቲ ዘዚምልከቶ ቛንቋ ኪርአን ኪትንተንን
ከም ዚግባእ ብጕሉሕ የርኢ።
፭ ተውሳኸ ግሲ
122
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
(ሐ) ብቕድሚኡ “እና” ዚብል ጥባቕ ብዘሎዎ ግሲ ዝቖመ ተወሳኸ- ግሲ'ውን ኣሎ።
እዚ ንኻልእ ግሲ ብኸመይ ኣገባብ ከም ዝተኸስተ ወይ ዝተተግበረ ንምጕላሕን
ንምንጻርን ይዝውተር።
እናዘለለኸደ። እናሓሰበተጓዕዘ።
እናሰሓቐ ነገረኒ። እናተሃወኽካኣይትብላዕ።
እናጸበበ ዚራኸብ። እናተጸወግኩምኣይትጠምቱ።
መ) ከም ቦዝ ግሲ ዚዝውተር ቀረባ ሕሉፍ፡ ንኻልእ ግሲ ብምጕላሕ ናይ ተወሳኸ ግሲ
ባህሪ ይለብስ።
ዘሊሉጐበጠ። ተጣቢባኣድሒናቶ።
ኣዘንጊዕካሓዞ። ኣቀባጢርናነርድዮም።
ተወርዊሩኪቘልቦ። ተወንጪፉተወርወረ።
*እቲ ብወይናይ ዝደመቐ ቓል ተውሳኸ ግሲ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ እቲ ዚጐልሕ
ግሲ እዩ።
(ረ) ብኣመልካቲ ሓረጋዊ ተውላጠስምን ብሓጋዚ ግስን ዝቖመ ተውሳኸ ግሲ፤
ከምዚ ኢሉ /ኣቢሉ/ገይሩ/…፡ ከምቲ ኢሉ /ኣቢሉ/ገይሩ/…፡
ከምኡ ኢሉ /ኣቢሉ/ገይሩ/…፡ ወዘተ... በዚ/በቲ ኢሉ/ ኣቢሉ/ ገይሩ/
ከምዚ ኣቢልካ ጥወዮ። ከምቲ ጌርካ ስርሓዮ።
ከምኡ ኢሉ ሓደረ። በዚ ኣቢሉ ኸደ።
በቲ ጌርኪ ስርሕዮ።
ኣበይ፡ ናበይ፡ በየን፡ በበይ፡ ወዘተ፡… ንዚብል ሕቶ ይምልሽ። ካብኡ ሒደት ንምርቋሕ
፡ ኣብዚ፡ ኣብቲ፡ ናብዚ፡ ናብቲ፡ በዚ፡ ንየው፡ ነጀው፡ ክንየው፡ ክነጀው፡ ንቕድሚት፡
ንሰሜን፡ ወዘተ…
ኣብዚኣሎ። ብድሕሪትኣኳለመ።
ክንየው ሰገረ። ንሰሜን ገጹ ኸደ።
ብውሽጢሰለዀ። ኣብ ገለ ሸነኽ ይርከብ፡ ወዘተ…
፫. ናይ እዋን ተወሳኸ-ግሲ
123
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
መኣስ፡ ኣበየናይ ግዜ፡ ክንደይ ሳዕ፡ ወዘተ… ንዚብል ሕቶ ይምልሽ። ካብኡ ሒደት
ንምርቋሕ፡ ሎሚ፡ ጽባሕ፡ ንዓመታ፡ ሎምዘበን፡ ብኡንብኡ፡ ሳሕቲ፡ ወርትግ፡ እና_ኸሎ፡
ወዘተ…
(ሀ) ንፍሉይ እዋን፤
ሎምዘበንተመርዕዩ። ኣጋ ዕራርቦ ኣተወ።
ጸኒሑተቐልቀለ። ሰዓት ሓደ ተመስሐ።
ደርሆ ነቆ ተበራበረ። ብኡንብኡተመልሰ።
እናሰርሐ ኸሎ ሃዊኽዎ። ንጽባሒቱ ኣርከበ።
ምስ ተሓከመ ሓውዩ። ወዘተ...
(ለ) ንተደጋጋሚ ተግባር፤
ኵሉ ሳዕ ይጋገ። ሳሕቲ ይራኸቡ።
ሰለስተ ሳዕ ነገርክዎ። ብተወሳኺ ኣሎ።
ሰሰትዩ ይርብሽ። እንተላይይደርፍ።
ወትሩ የሸግር። *ፈጺሙ/ከቶኣይጃጀወን። ወዘተ…
ሓንሳእ መጺኡ።
124
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፯. ናይ ሕቶ ተውሳኸ-ግሲ
125
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
መወሰኽታ
፮ መስተዋድድ
126
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ዳርጋ ጥቓ ከም ኣብ መንጎ
ካብ ስግር ማዕረ ብ ናይ ወዘተ...
(ሀ) ሓንቲ በራድ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰደቓ ነበረት።
(ለ)ኣብ ጕንዲ ገዛና ሓንቲ ዓባይ ኦም ኣውሊዕ ኣላ።
(ሐ)ፈለግ ኒል ካብደቡብ ናብሰሜን ይውሕዝ።
(መ)ድሕሪብዙሕ ግዜ ምስኣ ተላለየ።
፩. መስተዋድዳዊ ሓረግ
እዚ ብመስተዋድድ ጀሚሩ፡ ብስም ወይ ብተውላጠስም ዚውዳእ ክፋል ናይ ሓደ
ዓረፍተነገር እዩ። እቲ ኣብቲ ሓረግ ዚርከብ ስም ወይ ተውላጠስም፡ ናይቲ መስተዋድድ
ተሳሓቢ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ንኣብነት ኣብቲ ኣብ ላዕሊ ዝተዋህበ ዓረፍተነገራት እቲ
ተሳሓቢ እዚ ዚስዕብ እዩ፤
(ሀ)ሓንቲ በራድ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰደቓ ነበረት።
(ለ)ኣብ ጕንዲ ገዛና ሓንቲ ዓባይ ኦም ኣውሊዕ ኣላ።
(ሐ) ፈለግ ኒል ካብደቡብ ናብሰሜን ይውሕዝ። (መ)ድሕሪብዙሕ ግዜ ምስኣ ተላለየ።
ናይ መስተዋድድ ተሰሓቢ፣
(ሀ)ሰደቓ (ለ)ገዛና
(ሐ)ደቡብ፡ ሰሜን (መ)ግዜ፡ ንሳ(ተለቃቢ ተውላጠስም)
መስተዋድድ ኣብ መንጎ ተሳሓቢኡን፡ ካልእ ኣብቲ ዓረፍተነገር ዚርከብ ቃልን ዘሎ
ዝምድና ይገልጽ። ንኣብነት፣
(ሀ)ሓንቲ በራድ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰደቓ ነበረት።
(ለ)ኣብ ጕንዲ ገዛና ሓንቲ ዓባይ ኦም ኣውሊዕ ኣላ።
(ሐ) ፈለግ ኒል ካብደቡብ ናብሰሜን ይውሕዝ።
(መ)ድሕሪብዙሕ ግዜ ምስኣ ተላለየ።
“ ኣብ ልዕሊ” ዚብል ቃል፡ እታ በራድ ብመንጽር እቲ ተሳሓቢኡ ዝኾነ
ሰደቓ ኣበይ ከም ዘላ እዩ ዚሕብር።
“ ኣብ ጕንዲ” ዚብል ቃል፡ እታ ኦም ኣውሊዕ ብመንጽር እቲ ተሰሓቢኡ
ዝኾነ ገዛ ኣበይ ከም ዘላ እዩ ዚሕብር።
“ ካብ” ዚብል ቃል፡ እቲ ተሳሓቢኡደቡብመበገሲ ፈለግ ኒል ምዃኑ “ ናብ”
ዚብል ቃል ድማ እቲ ተሳሓቢኡሰሜንኣንፈት ዋሕዙ ምዃኑ ይሕብር።
“ ድሕሪ ” ነቲ ተሰሓቢኡ ዝኾነግዜ ብዙሕ ጸኒሑ ምኽሳቱ፡ “ምስ” ዚብል
መስተዋድድ ከኣ ነታ ናቱ ተሰሓቢት ዝኾነት “_ኣ” (ንሳ) ኣብቲ ዝተጠቕሰ እዋን
ሓደ ሰብ (ተላለየ) ከም ዝተላለያ ይሕብር።
127
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
128
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፬. ኣጠቃቕማ መስተዋድድ
129
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
130
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ከምቲ ሓዉ ኣይነፍዐን።
ከም ድላዩ ይዓንድር።
ከም ዓለምካ ኸኣሎ።
ሳላ- ደገፍ፡ ሓገዝ፡ ተገዳስነት፡ ወዘተ... ናይ ሓደ ሰብ ወይ ነገር ይሕብር።
ሳላኻ ሎም ዘበን ግራተይ ሓሪሰ።
ሳላ ኣሕዋቱ ይነብር ኣሎ።
እንተላይ(እንኮላይ)- ብጀካ ሓደ ሰብ፡ ነገር፡ ኵነት፡ ወዘተ… ካልእ’ውን ዝወሰኸ፤
ምስናይ፤ ከምኡ እውን።
እንተላይ ንስኺ ምጽኢ።
ድኻምን ጽምእን እንተላይ ውርደትን ኣሎዎ።
ርሳስ እንተላይ ተማላእ።
ብድርብ መስተዋድድ ዝቖመ መስተዋድድ'ውን ኣሎ።
ናብ ውሽጢ /ማእከል/ ላዕሊ/ወዘተ…
ናብ ውሽጢ ገዛ ኣተወ።
ናብ ማእከል ሜዳ ወሓዘ።
ናብ ልዕሊ ጎቦ ሓዀረ።
ኣብ ውሽጢ /ማእከል/ልዕሊ/ትሕቲ ወዘተ…
ኣብ ውሽጢ ጐድጓድ ይርከብ።
ኣብ ማእከል ከተማ ይነብር።
ኣብ ልዕሊ ናሕሲ ዓለበ።
ካብ ውሽጢ /ማእከል/ ልዕሊ/ ትሕቲ ወዘተ…
ካብ ውሽጢ ዓዲ…
ካብ ማእከል ኣሕዋት…
ካብ ልዕሊ ናሕሲ…
ልዕሊ /ትሕቲ/ ኣስታት/ ዳርጋ/ ዝያዳ/ ወዘተ…
ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ተቐመጠ።
ትሕቲ ሰለስተ ዓመት ንዝዕድመኡ ጥራይ እዩ።
ኣስታት ክልተ ሰዓት ተጸበየ።
ብልዕሊ /ትሕቲ/ ውሽጢ/ ማእከል/ ጐኒ/ ብውሽጥውሽጢ ወዘተ…
ብልዕሊ ባሕሪ ሰፈፈ።
ብወሽጢ ቱቦ ወሓዘ።
ብማእከል ዱር ሰንጠቐ።
131
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
132
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ምስ+ተ/ተውላጠስም ከም+ተ/ተውላጠስም
(ንኣ. ምስ+ኣይ=ምሳይ) (ንኣ. ከም+ኣይ=ከማይ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ምሳይ ምሳና ከማይ ከማና
2ይ ምሳኻ ምሳኻትኩም ከማኻ ከማኻትኩም
2ይ ምሳኹም ምሳኻትኩም ከማኹም ክማኻትኩም
2ይ ምሳኺ ምሳኻትክን ከማኺ ከማኻትክን
2ይ ምሳኽን ምሳኻትክን ከማኽን ከማኻትክን
3ይ ምስኡ ምስኣቶም ከምኡ ከምኣቶም
3ይ ምስኦም ምስኣቶም ከምኦም ከምኣቶም
3ይ ምስኣ ምስኣተን ከምኣ ከምኣተን
3ይ ምስአን ምስኣተን ከምአን ከምኣተን
ካብ + ተ/ተውላጠስም ናብ + ተ/ተውላጠስም
(ንኣ. ካብ+ኣይ=ካባይ) (ንኣ. ናብ+ኣይ=ናባይ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ካባይ ካባና ናባይ ናባና
2ይ ካባኻ ካባኻትኩም ናባኻ ናባኻትኩም
2ይ ካባኹም „ ናባኹም „
2ይ ካባኺ ካባኻትክን ናባኺ ናባኻትክን
2ይ ካባኽን „ ናባኽን „
3ይ ካብኡ ካብኣቶም ናብኡ ናብኣቶም
3ይ ካብኦም „ ናብኦም „
3ይ ካብኣ ካብኣተን ናብኣ ናብኣተን
3ይ ካብአን „ ናብአን „
ብ+ተ/ተውላጠስም ን+ተ/ተውላጠስም
(ንኣ. ብ+ኣይ=ብኣይ) (ንኣ. ን+ኣይ=ንኣይ)
ኣካል ንጽል ድርብ ንጽል ድርብ
1ይ ብኣይ ብኣና ንኣይ ንኣና
2ይ ብኣኻ ብኣኻትኩም ንኣኻ ንኣኻትኩም
133
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
2ይ ብኣኹም „ ንኣኹም „
2ይ ብኣኺ ብኣኻትክን ንኣኺ ንኣኻትክን
2ይ ብኣኽን „ ንኣኽን „
3ይ ብኡ ብኣቶም ንኡ ንኣተን
3ይ ብኦም „ ንኦም „
3ይ ብኣ ብኣተን ንኣ ንኣተን
3ይ ብአን „ ንአን „
*ብዘልማድ እቲ ምስቲ ንጽል ዝፊደሉ መስተዋድድ ("ብ"፡ "ን") ዚለግብ ተለቃቢ
ተውላጠስም፡ ነቲ ጐረሮኣዊ ፊደል "ኣ" ብምድግጋም፡ "ብእኡ፡ ብእኦም፡ ንኣኡ፡
ንኣኦም፡ ወዘተ...እናተባህለ ኺረብሕ ይስማዕ እዩ። እቲ ቕኑዕ ኣበሃህላኡ ግዳ፡ ከምዚ
ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ ምዃኑ፡ ነቲ ምስ ካልእ መስተዋድድ ተለቂቡ ረቢሑ ዘሎ
ብምውካስ ንምርግጋጽ ይክኣል።ብጀካ'ዚ፡ ካብዚ ዝገደደ ድማ ነቲ ብዓዲ "አ" ኪድመጽ
ዚግባእ ብዓዲ "ዐ" ብምትካእ ኣብ ክንዲ "ንኣይ፡ ንኣኻ፡ ንኣኺ፡ ወዘተ." ዚኸውን "
ንዓይ፡ ንዓኻ፡ ንዓኺ፡ ንዕዖም፡ ንዕዐን፡ ወዘተ." እናተባህለ ኪረብሕ ስለ ዚስማዕ ኪእረም
ይግባእ። ብዛዕባ ተለቃቢ ተውላጠስም ዚምልከት፡ ኣብ ትሕቲ ተውላጠስም ብዝርዝር
ተዋሂቡ ስለ ዘሎ ምውካሱ ዝሓሸ እዩ።
(ለ) መስተዋድድ + (ኣየናይ /-ነይቲ/-ኖት) ኣብ+(ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት) ናብ+
(ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት)
ኣበየናይዓዲ ... ናበየናይሸነኽ...
ኣበየነይቲቝሸት ትርከብ? ናበየነይተንገዛ...
ኣበየኖትስፍራ... ናበየኖትኣፓርተማ...
ካብ+(ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት) ከም+(ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት)
ካበየናይወገን ኢኻ? ከመየናይዓይነት...
ከበየነይቲዓዲ... ከመይነይቲትፈቱ?
ከበየኖት ዓሌት... ከመየኖትይሕሻኻ?
134
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ምስ +(ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት) ን + (ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት)
ምሰየናይትደሊ? ነየናይግዜ ኽንኰርዓሉ...
ምሰየነይቲተወዳድራ... ነየነይቲትመርጽ?
ምስየኖትከም... ነየኖት ድማ እዩ...
ብ + (ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት) ኣብ ልዕሊ + (ኣየናይ/-ነይቲ/-ኖት)
በየናይወገን ... ኣብ ልዕሊ ኣየናይ...
በየነይቲመገዲ ኸደ? ኣብ ልዕሊ ኣየነይቲ ጐቦ...
በየኖት መሳርሕታት... ኣብ ልዕሊ ኣየኖት... ወዘተ...
፯ መስተጻምር
፩. ወደረኛ መስተጻምር
135
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
(ሀ) ኣዳራጊ
ኣብዚ መደብ’ዚ፡ "ን፡ ድማ፡ ከምኡ’ውን፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ፡ ብጀካ’ዚ፡ እውን፡ ከኣ፡ ወዘተ…"
ዝኣመሰለ መስተጻምር ይጥርነፍ። ኣዳራጊ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ እቲ መስተጻምር
ናይ ምምዕርራይ ወይ ም'ድራግ ባህሪ ስለ ዜንጸባርቕ እዩ። ንኣብነት፤
(ለ) ኣማራጺ
(ሐ) ተጻራዲ
136
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ኣብዚ ኽፋል’ዚ ዚምደብ፡ ከምኒ፡ "ግና፡ ነገር ግን፡ ግዳ፡ ዝኾነ ኾይኑ፡ ___ ሲ፡ ___ስ፡
አረ’ውን፡ አረ፡ ኮይኑ ግና፡ ይኹን እምበር፡ ክ___ነገር፡ እንተኾነ ግዳ፡ ጥራይ፡ ሓንትስ፡
ወዘተ…" ዝኣመሰለ መስተጻምር እዩ። ንኽልተ ተጻራሪ ኹነት ድማ የዛምድ ወይ
የራኽብ፡ ንኣብነት፤
ክትምሓር ኢኻ፤ ክትምሓር ነገር (ክትምሓር ከለኻ ግዳ/ ተማሓር ደኣ’ምበር)፡ በደልካ
ተናሳሕ።
(መ) ኣመኽናዪ
፪. ጽግዕተኛ መስተጻምር
137
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
138
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፰ ቃል-ኣጋንኖ
139
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
140
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
141
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
142
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ኣገባብኣ (ሲንታሲ)
ዓረፍተነገር፣
ቃላት ብሕጊ ናይቲ ዚዝረበሉ ቛንቋ እናተሰርዐ ሓደ ምሉእ ሓሳብ ኣቝሙ ምስ ዚዛዘም
ዓረፍተነገር ይብሃል። ከምዚ ዝተባህለሉ ምኽንያት፡ ናይቲ ኺምሓላለፍ ወይ ኪግለጽ
ዝተደልየ ሓሳብ መዕለቢ ወይ መዕረፊ ዘሎዎ ብምዃኑ እዩ።
ሰለስተ ዓይነት ዓረፍተነገር ኣሎ። ንሱ ድማ፣
(ሀ) ሓተታዊ ዓረፍተ ነገር፡
(ለ) ጥያቐኣዊ ዓረፍተነገር፡
(ሐ) ትእዛዛዊ (ግደታዊ) ዓረፍተነገር ተባሂሉ ይኽፈል።
143
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ኣቀዋውማ ዓረፍተነገር
፩.ንጽል ዓረፍተነገር፤
144
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፪. ድርብ ዓረፍተነገር
ድርብ ዓረፍተነገር ካብ ንጽል ዚፍለየሉ ምኽንያት፡ ዓብዪ ሓረግን ንኡስ ሓረግን ዚብሃል
ክፋላት ዝሓቘፈ ብምዃኑ እዩ። እቲ ዓብዪ ሓረግ ንባዕሉ፡ ሽሕ’ኳ ዓንቀጽ እንተ'ሎዎ፡
ናይ ቀረባ እዋን ቅርጺ ብምሓዝ ወይ ድማ ብመስተጻምር ተሰንዩ ምስ ሓደ ነቲ ሓሳባቱ
ዚድምድም ንጽል ዓረፍተነገር ይቋረን’ሞ ድርብ ዓረፍተነገር የቕውም። ኣብ ሓደ
ድርብ ዓረፍተነገር፡ ብሓረግ መልክዕ ዝተኣሳስረ፡ ካብ ክልተ ንላዕሊ ዓረፍተነገራት
ኪህሉ ይኽእል። ንኣብነት፤
(ሀ) ደሞዝ ስለ ዘይተቐበለ ንወዱ ኽዳን ኣይዓደገሉን። ደሞዝ ስለ ዘይተቐበለ - ዓብዪ
ሓረግ። ንወዱ ኽዳን ኣይዓደገሉን - ቀንዲ ሓረግ።
(ለ) ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ናብ ሃገሩ ተመልሰ። ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት- ንኡስ
ሓረግ ናብ ሃገሩ ተመልሰ- ቀንዲ ሓረግ
(ሐ) ኣብ ዓዲ ኸሎ፡ ንፉዕ ሓረስታይ እዩ ነይሩ። ኣብ ዓዲ- ንእሽቶ ሓረግ ኣብ ዓዲ
ኸሎ- ዓብዪ ሓረግ ንፉዕ ሓረስታይ እዩ ነይሩ ቀንዲ ሓረግ
(መ) ብዓንተቦኡ’ውን ሓንጊዱ’ምበር፡ እንተ ዚፍትን ምተዓወተ ነይሩ።
ብዓንተቦኡ’ውን- ንኡስ ሓረግ።
ሓንጊዱ’ምበር- ዓብዪ ሓረግ።
እንተዚፍትን- ዓብዪ ሓረግ።
ምተዓወተነይሩ- ቀንዲ ሓረግ።
ዓይነታት ሓረግ
145
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፩. ንኡስ ሓረግ
፫. ቀንዲ ሓረግ
146
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ኣሎዎ።
ን “ተጋጨወ" ዚገልጽ።
147
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ኣብቲ ብመላኡ ዙርያ ናይቲ ትሪቡና= ንኡስ ሓረግ ብርክት ዝበለ ኻብቲ ተዓዛቢ=
ንኡስ ሓረግ አረ'ውን መብዛሕትኡ= ንኡስ ሓረግ ሰብነቱ ምቍጽጻር ክሳዕ ዚስእን
ኣናዕለበጠ = ዓብዩ ሓረግ ነተን ዘዚድግፈን ጋንታታት ምእንቲ ኼተባብዕ= ዓብዪ ሓረግ
ብሆታን ብዋዕታን ይጭድርን ይግዕርን ነበረ= ቀንዲ ሓረግ
*ኣብ ውሽጢ እቲ ዓብዪ ሓረግ'ውን፡ ንኡስ ሓረግ ተሓቚፉ ኸም ዘሎ ምስትብሃል
የድሊ። ንኣብነት፤
ሰብነቱ ምቍጽጻር = ንኡስ ሓረግ ነተን ዘዚድግፈን ጋንታታት = ንኡስ ሓረግ
ስውያ ንግግር
፩. ቍንቍኛ (Idiom)
፪. ንጽጽር (Simile)
148
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፫. ተምሳለት (Metaphor)
፭. ኣለጎሪ (Allegory)
ትእምርታዊ ትርጉም ዘሎዎ፡ ብመልክዕ ዛንታ ዚቐርብ ዓይነት ድርሰት ኣለጎሪ ይብሃል።
እታ ብዮሃንስ ቡንያን ኣብ 16 ዘመን ተጻሒፋ ብ ቴረሳ ደ ፐርቲስን ብባይሩ ዕቝቢትን
ናብ ትግርኛ ዝተተርጐመት "መገዲ ክርስትያን" ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ምስ ኣለጎሪ
ትጽብጸብ።
፮. ኣስተሰብኦት (Personification)
149
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፯. ጽውጽዋይ (Fable)
እዚ ዓይነት ስውያ ንግግር’ዚ፡ ንውሕ ዝበለ ዝትሕዝቶኡ ምሁዝ ዛንታ እዩ። ብጀካ’ዚ፡
ካብቲ ጽውጽዋይ ዚቝንጨል ብሂል’ውን ብመልክዕ ሓረግ ንምዝውታር ይካኣል።
ነግዲ ኣምሩ (ካብ ጽዋታት ኤርትራ ዝተወስደ) ብጽሒት ኣንበሳ (ካብ ኤዞፕ ዝተወስደ)።
"ለካ ንድየት ከይወግሐ መሬት፡" በለት ጋዕዋ (ኤርትራዊ ጽዋ)። ልኡኽ ሓሊቦ
(ኤርትራዊ ጽዋ)።
ኵሉ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጽዋታት፡ ንሓደ ጕዳይ፡ ተግባር ወይ ኩነት ከም
መነጻጽርቲ ንምግላጽ ኣብ ዘረባ ወይ ንግግር ዚዝውተር ኣበሃህላ እዩ።
፰. ምሳሌ/ብሂል (Parable)
*እቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ። *እተን ዓሰርተ ደናግል። ክናናን ምናናን ዲናን ፋናን (ናይ
ኤርትራ ጽዋ)
*እቲ ቐዳማይን ካልኣይን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስደ እዩ።
፲. መለሳ- ስም (Metonym)
150
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
151
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፲፯.መካርነት (Aphorism)
152
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፳፫.ስመ-ጽራሕ (Onomatopoeia)
153
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፳፬.በይነ-ምጕት (Prolepsis)
ንስዲ ንባብ፡ ንግጥሚ፡ ንተዋሳኦ ከምኡ ድማ ንስውያ ንግግር ዚሓቍፍ ኣድማዒ ጥበብ
ኣጸሓሕፋን ኣዘራርባን እዩ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ ዚድረስ ወይ ዚዝረብ ቃላት፡ ሓረጋት
ወይ ዓረፍተነገራት ብመልክዕ ግጥሚ፡ ስድ-ንባብ፡ ተዋስኦ፡ ድራማ፡ ከምኡ'ውን
ዝተፈላለየ ኣገባብ ስውያ ንግግር ንሰማዒ ዚምስጥ፡ ዚማርኽ፡ ዜሐጐስ፡ ዜጕሂ፡ ዚጕስጕስ፡
ዚንሽጥ ናይ ኣዘራርባ ጥበብ እዩ።
ስርዓተ-ነጥቢ
154
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
መጽረቢት ዓድግ።
፪. ሰረዝ (፣/፤)
ክልተ ዓይነት ሰረዝ ኣሎ፥ ንጽልን ድርብን ድማ ይብሃል። ናይ ሰረዝ ሰብሪ፡ ካብቲ ናይ
ክልተ ነጥቢ ቝሩብ ይነውሕ፥ ካብቲ ኽልተ ሰረዝ ድማ እቲ ድርብ ዝነውሐ ሰብሪ
ይሕብር። በዚ ዚስዕብ ኣገባብ ድማ ይዝውተር።
(ሀ) ንጽል ሰረዝ ኣብ መንጎ ኽልተ ርእሱ ዝኸኣለ ዓረፍተነገራት ከም ድልድል ኣትዩ፡
ቀጻልነት ናይቲ ቐዳማይ ዓረፍተነገር ምስቲ ብድሕረኡ ዚስዕብ የረጋግጽ።
ካልኣይ ሳዕ ክትደግም'ውን ኣየድለየን፣
ነዚ ቓላት'ዚ ኽሰምዕ ብተርባጽ እየ ኽጽበ ጸኒሐ።
155
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፬.ትእምርቲ ሕቶ (፧ ወይ ?)
156
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፯. ሓጹር ወይ ቅ'ንፍ ( ) ወይ [ ]
157
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፲. ጽሕጋር ( ' )
158
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
፲፪. ጋድም ( - )
13. እዝባር ( / )
159
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
መደምደምታ
160
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
161
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ብተመሳሳሊ ኣተናትና፣
162
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
163
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
164
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
165
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
166
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ብሳዕቤኑ ብዙሕ ክሳራ ወሪዱኒ። ብሰንኩ ብዙሕ ክሳራ ወሪዱኒ። ብሰሩ ብዙሕ ክሳራ
ወሪዱኒ። ኣብ ክንዲ "ከም ውጽኢቱ እቲ መደብ ተዓዊቱ/ ኣይተዓወተን"
ዚብሃል፤
ብሳላኡ እቲ መደብ ተዓዊቱ። ብበርከቱ እቲ መደብ ተዓዊቱ። ብሰሩ እቲ መደብ
ኣይተዓወተን። ብሰንኩ እቲ መደብ ኣይተዓወተን። በቲ ወጽኢት ድማ እቲ መደብ
ተዓዊቱ/ኣይተዓወተን። ብውጽኢት እቲ መደብ ድማ ተዓዊቱ/ኣይተዓወተን። ኣብ ክንዲ
"ከም ኣብነት፡ ንሰብ እንተ ሓጊዝካ መንፈስካ ይሕጐስ።"ዚብሃል፡ ንኣብነት፡ ንሰብ እንተ
ሓጊዝካ መንፈስካ ይሕጐስ።
እናተባህለ እንተ ዚዝረብን ዚጽሓፍን ቅኑዕ ምኾነ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ
መስተዋድድ "ከም"፡ ኣነጻጻሪ፡ ኣዳራጊ፡ ኣመሳሳሊ ወይ ወካሊ ቓል ኮይኑ ስለ
ዘይተዘውተረ እዩ። በዚ መንፈስ'ዚ ኺዝውተር ከሎ ድማ እስከ ንርአ፤
ከም ሓዉ ንፉዕ እዩ። ከም ሽዑ ገይሩ ዝሓርበተኒ እዋን ኣይነበረን። ከም ቀንዲ
ዕላማኹም (ጌርኩም) ተቐበልዎ። ከም (ሓደ) ኣብነት (ገይረ) ኣቕረብኩሎም። ከም
(ሓደ) ኣብነት ንምጥቃስ፤ ንሰብ እንተ ሓገዝካ፡ መንፈስካ ይሕጐስ።
ኣብዚ ዓረፍተ ነገራት'ዚ፡ እቲ መስተዋድድ "ከም"፤ ሓው ምስ ሓው፡ እዋን ምስ እዋን፡
ዕላማ ምስ ዕላማ፡ ሓደ ነገር ምስ ካልእ ነገር ስለ ዘነጻጸረን፡ ዘዳረገን፡ ዘመሳሰለን፡
ዘወኻኸለን ብሩህን ቅኑዕን ትርጉም ሂቡ ኣሎ።
ኣብቲ ውጹእ ትግርኛ ዚብሃል'ውን፡ ካብ ካልእ ቋንቋ ዝተወርሰ፡ ምስ ባህሪ ናይ ትግርኛ
ዘይሳነ ኣሰራርዓን ኣዘወታትራን ዓረፍተ-ነገራት ኣሎ። ሓደ ኻብዚ ግድፈት'ዚ፡ ኣብ
ኣጠቓቕማ ናይ ሓጋዚ ግሲ ህላወን ኵነትን ዚስማዕ እዩ።
ኣብቲ ነዚ ኣርእስት'ዚ ዚምልከት ክፍሊ ሰዋስው ከም ዝተገልጸ፡ ሓጋዚ ግሲ ኵነት
(እየ፡ኢኻ፡ እዩ፡ ወዘተ.) ኣውካኢ (ዘካሪ) ወይ ኣጣላሊ (ኣረጋጋጺ) ኪኸውን ከሎ፡ ሓጋዚ
ግሲ ህላወ (ኣለኹ፡ ኣለኻ፡ ኣሎ፡ ወዘተ...) ግና "ሓባሪ" ወይ "ነጋሪ" ግደ ዘሎዎ ዓይነት
ግሲ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ኣብነታት ንርአ፤
(ሀ) ሎም መዓልቲ ጋንታ ኣዱሊስ 2-0 ስዒራ። ብቐረባ ሕሉፍ ግሲ፡ እታ ጋንታ ኸም
ዝሰዓረት ጥራይ እዩ ዚነግር ዘሎ።
(ለ) ሎም መዓልቲ ጋንታ ኣዱሊስ 2-0 ስዒራ ኣላ። እታ ጋንታ ኸም ዝሰዓረት ነጊሩ
ወይ ሓቢሩ፡ ተወሳኺ ሓሳብ ወይ ርእይቶ ኬፍስስ ከም ዝደለየ ይእንፍት ኣሎ።
(ሐ) ሎም መዓልቲ ጋንታ ኣዱሊስ 2-0 ስዒራ እያ። እታ ጋንታ ብጸብለልታ ሸቶ
ጥራይ ከም ዝሰዓረት ኣረጋጊጹ እዩ ዚዛርብ ዘሎ።
(መ) ሎም መዓልቲ ጋንታ ኣዱሊስ 2-0 እያ ስዒራ።
እታ ጋንታ ብሓደ መጠን ሸቶ (2-0) ኸም ዝሰዓረት ኣጣሊሉ እዩ ዚዛረብ ዘሎ።
167
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
168
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ግሲ ተግባራዊ ግሲ ግሲ ተግባራዊ ግሲ
169
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ግሲ ኵነታዊ ስም ግሲ ኵነታዊ ስም
ሃ'ለወ ህ'ላወ ሃዝሃዘ ህዝሃዘ
ሃብለቘ ህብላቘ ለምለመ ልምላመ
ራሕርሐ ርሕራሐ በቝበቘ ብቝባቘ
ደንገጸ ድንጋጸ ተረመሰ ር'ማሰ
ተመ'ጠነ ም'ጣነ ተሰ'የመ ስ'ያመ
ተቘ'ጥዐ ቍ'ጥዐ ተተርጐመ ትርጓመ
ግሲ ኵነታዊ ስም ግሲ ኵነታዊ ስም
ተተንተነ ትንታነ ተወ'ደሰ ው'ዳሰ
ተዓ'የነ ዕ'ያነ ተገምገመ ግምጋመ
ተጠ'በረ ጥ'ባረ ተጸ'ለለ ጽ'ላለ
ኣሰንበደ ስንባደ ኣበርትዐ ብርታዐ
ኣደንዘዘ ድንዛዘ ሃውተተ ህውታተ
ተሸቝረረ ሽቝራረ ወዘተ...
እዚ ኣብ ላዕሊ ተቐሚጡ ዘሎ ኣብነት ናይ ኣቀዋውማ ግሳዊ ስም፡ ሓደ ዓይነት ኵትሚ
ኸም ዚኽተል ንምስትብሃል ብዙሕ ዜጸግም ኣይኮነን። ገሊኡ፡ ኣብ ክልተኡ ጕጅለ
ዚርከብ ካብ ሓደ ግሲ ዝወጸ ኽነሱ፡ ኣብ ኣዕማዱ ግና ይፈላለ። እዚ ማለት ድማ፡ እቲ
ቐዳማይ ጕጅለ ግሲ፡ ካብ ተሰጋጋሪ ወይ ካብ ናይ ገቢር እጃም ካብ ዘሎዎ ዝመንጨወ
ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ካብ ዘይተሰጋጋሪ ፡ ካብ ተገብሮ ወይ ካብ ኣግብሮ ዝነቐለ
ኾይኑ ይርከብ።
ንኣብነት "ተቘጥዐ" ዚብል ግሲ ኣብ ክልተኡ ኣሎ። ካብዚ ድማ ኣብቲ ቐዳማይ ጕጅለ፡
"ቍ'ጥዓ" ንስምዒት ዘይኮነስ ንተግባር እዩ ዜመልክት። ንኣብነት፡ "ንጸላእቱ፡ ቍጥዓኡ
ኣውረደሎም" ንምባል ይክኣል። ኣብቲ ኻልእይ ጕጅለ፡ ንስምዒት ወይ ትርኢት እዩ
ዚገልጽ። ስለዚ ድማ፡ "ናይ ቈርበት ቍጥዐ" ይብሃል። "ሃውተተ" ዚብል ቃል ምስ
እንርኢ'ውን፡ ኣብ ክልተኡ ጕጅለ ተመሳሳሊ ፍልልይ ይርአ። "ህውተታ" ተግባር
ኪኸውን ከሎ፡ "ህውታተ" ግና ንዅነት ወይ ሳዕቤን ይሕብር። እቲ ኻልእ ዝተረፈ
170
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
ግሲ ግሳዊ ስም
ወዘተ...
171
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
172
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
173
ሓጺር ሰዋስው ትግርኛ ብመምህር ተክአ ተስፋይ
174