Professional Documents
Culture Documents
ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት.doc
ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት.doc
ቤት ጽሕፈት እቲ ውድብ ሎሚ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ ውድባዊ መግለጺ ድሕሪ መበል 13 ጉባኤ ህወሓት ኣንፈት
ዝተነጸረሎም ዓበይቲ ጉዳያት ዘለዎም ኣፈጻጽማ ብዕምቆት ከምዝገምገመ ገሊጹ። ኣብ መግለጺኡ ኣብዚ ዓመት ዓብዪ
ምብርባር ዝተገበረሉ ናይ ትራናፎርሜሽንን ዲሞክራታይዜሽንን ስርሓቲ ሕዚ ዘለዎም ደረጃ ርእየ ኣለኹ ኢሉ።
ብምዃኑ እውን "ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዘእትወና ብርኪ ኣለና" ኢሉ።
"ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ክልልና እነሳልጦም ኩለመዳያዊ ንጥፈታት ብመንጽር ድሕንነት ህዝብና ተቓንዮም
ዝፍጸሙሉ ዝርዝር ኣንፈት ኣቐሚጠ" ዝበለ እቲ መግለጺ ብፍላይ ንተረባሕነት መናእሰይን ደቂ ኣነስትዮን ማእከል
ዝገበረ ሰፊሕ ዕማም ዓሚሙ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘሎ ገሊጹ።
እቲ ውድብ ኣብ መግለጺኡ "ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዘላቕነት ንድሕንነት ህዝብና ማእከል ዝገበረ ኩሉመዳያዊ
ምንቅስቓስ ንምግባር ጽኑዕ መርገጺ ወሲዱ ኣሎ" ዝበለ እንትከውን ሃገራዊ ዛዕባታት እውን ብዕምቆት ምፍታሹን
ኣንፈት ምቕማጡን ነጺሩ ኣሎ።
ሃገር ኣብ ከቢድ ፈተና ከምዘላ ዘብርህ እቲ መግለጺ ምስ ካልኦት ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብምዃን እቲ ኣብ
ሓደጋ ዘሎ ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ናብ ንቡር ክምለኣ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ገሊጹ።
ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ናይ ሰላም ሃዋህው ዘላቒ ረብሓ ክልቲኦም ህዝብታት ብዝሕሉ መልክዑ ናብ ዝሓሸ ብራኸ
ክወጽእ እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ዘለዎ ንጹር ቅዋም ኣብቲ መግለጺ ኣብሪሁ።
ድወት ቲቪ