You are on page 1of 3

ናይ ልቢ ቅድስና ይሃልኻ

ብጹእ አቡነ ሺኖዳ III

ኣብ ውድቀት ኣብ ፈተና ኣብ ሓዘን ኣብ ድኻም ብሓፈሻ ናይ ዓለም ኩነታት ንየማን ንጸጋም ክጻፍዑኒ ምስ ዝጅምሩ “የመንፈስ ነፃነት”

ትብል ብአቡነ ሺኖዳ ዝተጻሕፈ ብዲን. ደስታ ፍጹም ዝተተርጎመት ናይ ኣምሓርኛ መጻሓፍ ብምንባብ ንነፍሰይ ምርግጋእ ይጅምር። ብፍላይ

ነገራት ምጥርናፍ ኣብዮም ብየማንን ብጸጋምን ከጻፍዑኒ ኣብ ዝጅምሩ ግዜ ህድእ ኢለ ከንብብ ይግደድ። ናይ ነፍሲ ዕረፍቲ እትኸውን ደስ ትብል

መጽሓፍ። ክርስትና ናይ ሓባር ሕይወት ምውናን፣ ምዝክካር፣ ምድግጋፍ፣ ምፍቃር፣ ብሕጽር ዝበለ ንሓውካ ከም ነፍስካ ምፍቃር ስለ ዝኾነ ከኣ

ኣሕዋት ይጥቐሙላ ይኾኑ ብምባል በረክተ ክሳተፈና ብምሕሳብ ቀስ እንዳ በልኩ ዝተወሰኑ ጽሑፋት ካብኣ ብምውሳድ ምስ ኣሕዋት ክካፈላ

ይግደድ። ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ክልተ ዝኾና ስነ ጽሑፍ ናብ ካብኣ ናብ ትግርኛ ገምጢልና ሪእናየን ኔርና ። ሕጂ ከኣ እግዚኣብሔር ቅዱስ ፍቓዱ

ኮይኑ ካብኣ ዝተወሰደ ቀጻሊ ጽሑፍ እዩ። ክብሪ ንእግዚኣብሔር ይኹን።

ዝተፈተኻ ሓወይ ካብ ናይ ገዛ ርእስኻ ተጽዕኖ ተላቀቕ። ኣብ’ዚ ግዜ ምስ ርእስኻ ምርድዳእ ከም ትኽእልን፣ ናይ ውሽጥኻ ሰላም ምስ

ኣረጋገጽኻ ደጋዊ ተጽዕኖ ከም ዘይገብሩልካ ተረዳእ። ብተወሳኺ ኣንነትካ ርእስካ ካብ ምፍታው ከም ዘላቀቐ (ከም ዘግደፈካ) ክትዛረብ ትኽእል

ኢኻ። ዝተፈተኻ ሓወይ ዓለም ኣብኻ ሓይሊ ኣለዋ ኢልካ’ዶ ትሓስብ? ወይስ መሰናኸላትን፣ ፈተናታቱን ናይ ውድቀትካ ጠንቒ ክኾኑ ‘ዶ

ይኽእሉ? ከም’ዚ ትሓስብ እንተ ኼይንካ ብጣዕሚ ዝተጋገኻ ኢኻ። ዓለም ኮነ ፍትወታ ተጽዕኖ ክህልዎም ይኽእል ይኸውን እዩ፣ ነገር ግን ጠንቒ

ናይ ውድቀትካ ናይ ውሽጥኻ መንነት እዩ። ናይ ሓጥያት ግዙእ፣ ናይ ዓለም ፈታዊ እንተ ዘይኮንካ ፈጺምካ ኣይትወድቕን። ቅዱስ ዮሴፍ ምንም

እኻ ሓጥያት ኣብ ዝበዘሓሉን፣ ኣብ ዝፍጸመሉን ኣከባቢ እንተ ነበረ ርእሱ ብሓጥያት ኣየርከሰን። ንምንያት እንተ ተባህለ ዮሴፍ ካብ ልቡ ንጽሕና

ዝተላዕለ ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ሓይልን ጉልበትን ኔርዎ። አፍአዊ ኃጢያት ንምሽናፍ ውሽጡ ዘንጸሀ ቅዱስ ነበረ።

ዓለም መሰናክል ወይ ከኣ ጥፍኣት ዝበዘሓ ስለ ዝኾነት ክሳናኸል እየ ኣይትበል። የግዳስ ናይ ልብኻ ርክሰት መሰናኽል ከም ዝኾነካ

ተረዳእ። ክልተ ሰባት ከም ምሳሌ ንረዳእ፣ ክልቲኦም ቤተ መስተ ረጊጾም ክሓልፉ ከለዉ እቲ ሓደ ብወይኒ ዝተመልአ ጥርሙዝ ሪኡ ክሓልፍ ስለ

ዘይከኣለ ናብ ውሽጢ ብምእታው ክሳብ ዝሰክር ሰተየ። ነገር ግን እቲ ካልኣይ ንጹሕ ልቢ ስለ ዝነበረ እዚ ወላሓንቲ ተጽዕኖ ከገብረሉ ኣይከኣለን።

ልቡ ንጽሕ ስለ ዝነበረ ካብ ደገ ዝመጹ ነገራት ክጎድእዎ ኣይከኣሉን። [ናይ ደገ ሓይሊ ክስዕሮ ኣይከኣለን]።

ዓወት ናይ መንፈሳዊ ሕይወትካ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ኣንነትካን ከተከናውን እንተዘይ ክኢልካ፣ ብዝፍጠር ውግእ ዝምስረት

ይኸውን። ድልየትካ ኣብ ውሽጥካ እንተ ሸንኪርካ በዚ ዓለም ትጥቀም እንበር ትሰናኸል ኣይትኸውንን። ሓድ ሓደ ሰባት ናይ ከባቢኦም መሰናኽል

የወግዱ። እዚ ጽቡቅ እዩ። ምክንያቱ እግዚኣብሔር ብምኽሪ ረሲኣን፣ ኣብ መንገዲ ሓጥኣን፣ ከምኡ ከኣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ከይንቅመጥ ስለ

ዝእዝዘና። መዝ 1፣1። ነገር ግን እዞም ሰባት ውሽጦም ከየንጸሁ መሰናክላትን፣ ተጽዕኖታትን ጥራሕ ዘወግዱ እንተ ኮይኖም እዚ ቅኑዕ ኣይኮነን።

ከም’ዚ ኣቶም ዓይነት ሰባት ንዝተወሰነ ግዜ ጥራሕ ውጺእታውያን እኳ እንተ ኾኑ ነገር ግን ብናይ ርእሶም ፍትወትን፣ ብሥጋዊ ድልየትን

ተሰናኺሎም እዮም ዝወድቁ። ምክንያቱ ሓጥያት እኳ እንተ ዘይሰርሑ ሓጥያት ስለ ዝፈትዉ።


ከም’ዚ ኣቶም ዝበሉ ሰባት ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ናይ ሓጥያት ተጽዕኖ ምውጋዶም ንእግዚኣብሔር ፍቅሪ ኢሎም ርእሶም መስዋእቲ

ዝገበሩ ኮይኑ ይስመዖም ይኸውን። ብርግጽ ከም’ዚ ኣቶም ሰባት ክፉኣት ካብ ኣሐጎሶም ናይ ዓለም ፍትወተ ካብ ኣስከሮም ሓጥያት የሐጉሰና

ኢሎም ምስ ዝሓስቡ ተመሳሰልቲ እዮም። ክሳብ ሕጂ ከም ሔዋን እታ ፍረ ንምብላዓ ጽብቅቲ ከም ዝኾነት፣ ንዓይንቲ ከኣ ማራኺትን ሓጎስ

ትህብን ከም ዝኾነት እንዳ ረኣዩ እዮም። ዘፍ 3፣6። ነገር ግን ካብ ሔዋን ትፈልዮም ሓንቲ ነገር ኣላ ካብ’ታ ቆጽሊ ቀንጢቦም ብዘይምብላዖም

ውሽጦም ኣየሸነፉን። እግዚኣብሔር ግን ኣብ ጽላት ልቦም የለን። ስለ’ዚ ኣብ ውሽጢ ዓለም ዝፍትኖም ዘሰናኽሎምን ይደልዩ። ምንም እኳ ኣብ

ሓጥያት ምውዳቅ እንተ ኣሕፈሮም ብናይ ዓይኖም ትኩረትን፣ ብናይ ልቦም ፍትወትን ይወድቁ። ንሕጊ እግዚኣብሔር ብልምዲ ዝእዘዙ፣ ነገር ግን

ሕጉ ንዘይፈትዉን ነቲ ናይ ሕጊ በዓል ቤተ ዘይፈልጡን ሰባት ክዝረብ ዝከኣል ቃል እዩ። እዞም ሰባት ኣብ ከቢድ ፈተና ኣይጸንዑን እንበር ዝጸንዑ

እንተ ዝኾኑ ካብ ዝተወርወሮም ናይ እሳት ነበልባ ነጢሮም ክድሕኑ ምኸኣሉ። 1ይ ቆሮ 3፣15። ነገር ግን ኣብ’ዚ ፈተና እንተ ዘይድሒኖም ቤቶም

ኣብ ዓለት ስለ ዘይተሃነጸ ብዓብይ ኣወዳድቃ እዮም ዝወድቁ።

እንታይ ደኣ መንፈስና ነጻ ንምግባር ሓቀኛ ነገር እንታይ እዩ? እንተ ተባህለ። ካብ ማእሰርቲ ሓጥያትን፣ ካብ ፍትወት ሓጥያትን፣ ሓጥያት

ካብ ምፍታውን ምልቃቅ እዩ። ሓደ ሰብ ካብ ማእሰርቲ ሓጥያት ዝተፈትሐ እንተ ኮይኑ ካልኦት ብዝፍተንዎ ነገር ኣይፍተንን። ቅዱስ ዝኾነ

ተፈጥርኡ ነዞም ነገራት እዚኦም ኣይቅበሎምን። ስለ’ዚ መልሲ የብሉን። ብኻልእ መልክዑ እዚ ሰብ ብኡ ወገን (ካብኡ) ዋላ ሓንቲ ከየድለዮ ካብ

እዞም ነገራት ኽርሕቅ ይኽእል። ብናይ እግዚኣብሔር ሓለዋን (ሓገዝን) ንመንፈስ ቅዱስ ዕቀባን ሕይወቱ ዕለት ብዝተቀደሰ መንገዲ ይመርሓ።

ይኹን እንበር ኣቀዲምና ከም ዝተዛረብናዮ ሓደ ሰብ ውሽጡ እንተዘይ ኣንጺሁ ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ናይ ስጋ ፍትወት ናይ ዓይኒ ትኩረት

(ዝንባሌ) እንተዘይ ኣሸኒፉን እንተዘይ ኣንጺሑን ከም’ዚ ዓይነት ናይ ቅድስና ሕይወት ምንባር ኣይኽእልን። ሓደ ሰብ ሓጥያት ከመይ ኣሰቃቂን

ውጺኢቱ ከኣ ሞተ ከም ዝኾነን ምምስካር (ክኣምን) ኣለዎ። እግዚኣብሔር ጽቡቅ እዩ። መንገድኻ ምስ እግዚኣብሔር ምግባርን ሕይወትካ ብሕጊ

እግዚኣብሔር ምምራሕን ብጣዕሚ እዩ ዘሐጎስ። ስለ’ዚ ብውሽጣዊ ውግእ ስጋኡ ኣንዳ ገረፈ ርእሱ ንእግዚኣብሔር ምግዛእ ኣለዎ። 1ይ ቆሮ

9፣27 ብዝበለጸ ናይ ልቡ ድልየትን ናይ ዓይኑ ዝንባለን ኣብ ውሽጡ ክስቀሉ ይግባእ። ሓደ ሰብ ሕይወቱ ብቃል እግዚኣብሔር እንተ መሪሑ እዩ

ናይ ስጋኡ ፍትወት ከርሕቅ ዝኽእል። ናብ ናይ ድሕነት መንገዲ ከኣ ክኸይድ ዝኽእል። ስለ’ዚ እዩ ኣብ ማርቆስ ወንጌል “ንሕይወቱ ከድሕና

ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ። እቲ ንሕይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግን ከድሕና እዩ” ኢሉ ዝመሃረና። ማር 8፣35። ኮይኑ ግን እዚ

ብረዲኤተ እግዚኣብሔር፣ ጸጋን በረኸትን ክድገፍ ኣለዎ። ስለ’ዚ ዝኸበርካ ሓወይ ምስ ጻድቅ ያዕቆብ ኾይንካ “ከይባረኽካንስ ኣይሓድገካን”

(ዘፍ 32፣ 26) እንዳ በልካ ቃልስኻ ቀጽል። ደጊምካ ከኣ “ምእንቲ ኽጸሪስ ብስምዕዛ ሕጸበኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱ ሕጸበኒ” እንዳ በልካ ዘምር።

(መዝ 51፣7)። በዚ ቓልሲ ናይ ስጋኻ ፍትወት እንተ ስዒርካ ናይ ሰይጣን ኃይሊ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ሰልጠነ እኳ ከም ዘይትሽነፍ ርግጸኛ ኹን።

ስለ’ዚ ዝተፈተኻ ሓወይ እዚ ንምግባር ኣብ ናይ እግዚኣብሔር (መንፈሳዊ) ሕይወተ ውሽጢ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ጽሞና ግዜ እዩ። ናይ

እግዚኣብሔር ሰባት ኣብ ግዜ ጽሞና ምስ ርእሶምን ምስ ፈጣሪኦምን እዮም ዘሕልፉ። በዚ ከኣ ብመንፈሳዊ ሕይወቶምን ብስጋዊ ሕይወቶም ጥዕና

ዝረኽብሉ ሓድሽ ዕጥቂ ይዕጠቁ። ብኸም’ዚ ዓይነት መንገዲ ሕይወትካ መርምር። ነገር ግን ናይ ጽሞና ግዜኻ ብጥንቃቄ ግበሮ። ኣብ ናይ ጽሞና
ግዜኻ ናብ ውድቀት ከየትበጽሕ ተጠንቀቕ። ናይ ጽሞና ልምዲ ዘይብሉ ሰብ መንፈሳዊ ሕይወቱ ኣይፈልጥን። ከም’ዚ ዓይነተ ሰብ ብርእሱ

ዘይኮነ ብናይ ካልኦት ሰባት ኣተሓሳስባን ልምድን ስለ ዝኸይድ እንታይ ከም ዝገብርን ናበይ ከም ዝኸይድን ኣይፈልጥን። ናብ ርእሱ ክሳብ

ዝምለስን ርእሱ ክሳብ ዝፈልጥን ብውድቀቱ ይቕጽል። ንስካ ግን ከም’ዚ ኣቶም ዓይነተ ሰባት ኣይትኹን። ኣካይዳኻ ትምርምረሉ መንፈሳዊ

ሕይወትካ ትመዝነሉ፣ ኣገልግሎትካ ትግምግመሉ ንባዕልኻ ዝተወሰነ ግዜ ይሃልኻ። ቅድሚ ሕጂ ዘሕለፍካዮም ናይ መንፈሳዊ ሕይወት ልምድኻ

ዘክር። ዳግማይ ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ሕይወት ብምሕሳብ ንእግዚኣብሔር ቃልን ብቅዱሳን ኣቦታትን ሕይወት ታሪክን ብሂልን መንነትካ ክትሃንጽ

ትኽእል ኢኻ።

እግዚኣብሔር ምሳኻ ይኹን። ቅድስንኡ ይሃብካ። ሓጥያትና ይቅረ ይበለልና።

ኣሜን

Author: Pope Shenouda III

By: Tesfay G. Rezene

Tesfayergebre@gmail.com

301-675-7456

You might also like