You are on page 1of 16

ትምህርተ ነገረ መለኮት

ወሥርዓተ አምልኮት

ብ ኣባ ወልደ ገብርኤል ቀሺ ብርሃነ


ብግእዝ 2010 ብፈረንጂ ድማ 2018 ተሓትመ
ቀዳማይ ሕታም ብፈረንጂ 2018
ብግእዝ ድማ 2010 ተሓትመ።
መሰል ደራሲ ዝተሓለወ እዩ©።
ብዘይ ፍቓድ ምሕታምን ምብዛሕን ብሕጊ ዘሕትት እዩ።

ደራሲ
ኣባ ወልደ ገብርኤል ቀሺ ብርሃነ
ሞባይል ቴለፎን፡ 07396814

BAUER-VERLAG, ISBN:978-3-95551-111-1
0049 179 9369933
0049 152 10411980
ብዙኅ ሕዝቢ ምስ ረኣየ፡ ናብ ከረን ደየበ።
ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ።
ኣፉ ኸፈተ፡ ከምዚ እናበለ ድማ መሃሮም። (ማቴ. 5፡1-2)

ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ማርያም ኣስመራ

ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ክሕልው መሃርዎም፡ እንሆ ኣነ ድማ ክሳዕ


መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።
(ማቴ. 28፡20)
ኣባ ወልደ ገብርኤል ቀሺ ብርሃነ

“ብትዕግሥትናን መጽሓፍ ብምምልካትናን


ተስፋና ምእንቲ ክንረክብ ዝተጻሕፈ ኵሉ
ንምዕዶና ተጻሕፈ።” (ሮሜ. 15፡4)
ምስጋና

እዚ መጽሓፍ’ዚ ተጀሚሩ ክሳብ ዝውዳእ ኣብ ትሕቲ


ረድኤት እግዚአብሔር ብምጽሓፍ ኮምፒዩተርን
ምእራምን ዝተኃባበሩን ቤት ጽሕፈት ክፍሊ ሳንሱር
መንበረ ፓትርያርክን ቤት ማኅተም ሰምሃርን ከምኡ
እውን ብግብርን ብሓሳብን ዝሓገዙኒ ኵሎም ኣኅዋትን
ኣኅትን ልዑል እግዚአብሔር ዓስቦም ይሃቦም እናበልኩ
ብልቢ አመስግኖም።
መእተዊ
እዚ መጽሓፍ’ዚ ብመሠረት ሓፈሻዊ ትኅዝቶኡ፡ “ትምህርተ
ነገረ መለኮት ወሠርዓተ አምልኮት” ተባሂሉ ዝተሰመየ ኮይኑ፡
ሠለስተ ዓበይቲ ጥቕምታት ኣለዎ፥ ንሳቶም ድማ፦
1ይ ናይ ቤተ ክርስቲያንና መሠረታዊ እምነትን ሥርዓተ
ኣምልኾን ጠርኒፉ ኣዳልዩ ስለ ዘቕርበልና፡ ብዙሕ መጻሕፍቲ
ከይገናጸልና፡ ብቐረባ ተረዲእና፡ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሥርዓተ
ኣምልኾ ብጽቡቕን ርቱዕን ሥነ-ሥርዓት ንኽንፍጽም ይሕግዘና፥
2ይ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ዝጸንሐን ዘሎን ርድኢት ትምህርተ
መለኮትን ሥርዓተ ኣምልኾን፡ በዚ በብእዋኑ ዝፍጠርን ዝኽሠትን
ዘሎ ምዕባለ ዓለምን ግዜን ምኽንያት ከይተጸልወ ብዘይ ዝኾነ
ጒድለትን ወሰኽን ከም ዘለዎ፡ ናብ ቀጻሊ ወለዶ እናተወራረሰን
እናቐጸለን ከም ዝነብር ንምግባር ይሕግዝ
3ይ ቤተ ክርስቲያንና ናብ ዓለም ምሉእ ብምዝርጋሓ፡ ብቦታ፡
ብቛንቋ፡ ብዓቕሚ ኣገልገልታን ሰዓብታን እኳ እንተ ተፈላለየት፡ እቲ
ዝጸንሐን ዘሎን ማእከልነት ሥርዓተ እምነታን ኣምልኾታን፡ ዝያዳ
(ኣዝዩ) ጸኒዑን ደልዲሉን ኣብ ዘላቶ ኵሉ ቦታ ከም ዝቕጽል
ንምግባር ይሕግዝ።
ስለ’ዚ፡ ከም’ቲ እግዚአብሔር አምላኽ፡ ብኣፍ ሊ/ሐ/ቅ/ጴጥሮስ፡
ኣብ 1ይ መልእኽቱ ምዕ. 3 ቊ.15 “ብዛዕባ እታ ኣባኻትኩም ዘላ
ተስፋ፡ ንዝሓተኩም ዘበለ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክትክእሉ፡ ኵሉ
ጊዜ ድልዋት ኩኑ።” ዝበሎ፡ ንዝሓቱና፡ ግቡእ (ብቑዕ) መልሲ
ንምሃብ፤ ንዝተጋገዩ ንምምላስ፤ ኮነ ኢሎም ንዘደናግሩ ድማ
ንምቅላዕ ቃለ እግዚአብሔራዊ ግዴታ ስለ ዘሎና፡ ነዚ መጽሓፍ’ዚን
ዝመስልዎን (ቅዱሳት መጻሕፍቲ) ብምንባብን ብምዕጣቕን ድልዋን
ክንከውን ሓደራ እብል።
እቲ ብአምላኽነቱ ቀናእ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ አምላኽና፡
ብምሕረቱን ረድኤቱን፡ ናይ ኵሎም ቅዱሳነ እግዚአብሔር ጸሎትን
ኣማላድነትን ምስ ኵልና ይኹን፥ ኣሜን።
መቕድም
መቕድም ማለት ብዝተፈላለየ መንገዲ ክግለጽ ዝከኣል’ኳ
እንተ ኾነ፡ ብሕጽር ዝበለ፡ ናይ ሓደ ውዱእ መጽሓፍ ቅድሚ ናብ
ሓፈሻውን ዝርዝራውን ትሕዝቶኡ ምእታውካ፡ ተጻሒፉ ዝርከብ
ጽማቚ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ፡ ዕላማ፡ ምኽንያት’ቲ ጽሑፍ፡ ዝህቦ
ጥቕሚ፡ . . . መቕድም ተባሂሉ ይጽዋዕ።
በዚ መሠረት፡ እዚ መጽሓፍ’ዚ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ
ክርስቲያን ናይ ትምህርተ ሃይማኖትን ሥርዓተ ኣምልኮትን ዝሓዘ
ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ውሽጡ፡ በብኣርእስቱን ትሕዝቶኡን ተዘርዚሩ
ናይ ዘሎ ሓፈሻዊ ትሕዝትኡ ሓጺር ጽማቚ ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ።
መጀመርታ ትኅዝቶኡ፡ ናይ ፈጣሪነቱ ሥነ ሥርዓት
ብዝሓጸረ ተዘርዚሩ እኳ እንተሎ፣ ናይ እግዚአብሔር ህላዌ ብሰፈሑ
ዘረድእ ግን ሥነ-ፍጥረት ስለ ዝኾነ፡ ቅድሚ እዚ ዝተኃትመ
“መጽሓፍ ሥነ ፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር” ዝተባህለ
ምምልካት የድሊ። ስዒቡ ብዛዕባ ናይ እግዚአብሔር ዘለዓለማዊነትን
ከኣሊነትን ጥበብን ከምኡ’ውን ናይ እግዚአብሔር ቅዱስነትን፣ ንደቂ
ሰብን ንዅሎም ፍጡራቱን ዝገብሮ መለኮታዊ ሓለዋኡን ሕያውነቱን
ፍቕሩን ወዘተ ዝገልፁ ሓጸርቲ ኣርእስታት ካብ ገጽ 4-35 ዘሎ
ተመልከት።
እግዚአብሔር ብኣካላዊ ቃሉ ኵሉ ፍጥረት ዝፈጠረ
ንዘለዓለም ብባሕርያዊ ክብሩ ነባሪ ከም ዝኾነ፡ ንሱ ኸኣ ብመለኮት
ማለት ብአምላኽነት ሓደ፤ ብኣካልን ብስምን ብግብርን ከኣ ሠለስተ
ከም ዝኾነ፤ ሠለስተ ኣካላት፣ አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ከም
ዝበሃሉ፤ ብልቢ ዝምሰል እግዚአብሔር አብ፡ ንሰማይን ምድርን
ኣብኦም ዘሎ ኵሉን ብቓሉ ይኹን ብምባል ክፈጥሮ ከሎ፣ እቲ
ይኹን ኢሉ፡ ንዅሉ ዝፈጠረ ቃሉ ድማ ኣካላዊ ከም ዝኾነ፤ ንሱ
ኸኣ ድሕሪ ሓሙሽተ ሽሕን ሓሙሽተ ምእትን ዓመት ምእንቲ
ኣዳምን ደቁን ሥጋ ለቢሱ ሰብ ዝኾነ፡ አምላኽ፡ ጐይታ ኢየሱስ
ክርስቶስ ከም ዝኾነ፤ ነቦና ኣዳም ካብ ኣርባዕተ ባሕርያት ፈጢሩ
ሕያው ንኽኸውን ኡፍ ዝበለሉ እስትንፋስ፡ ኣካላዊ ሕይወት ከኣ
መንፈስ ቅዱስ ከም ዝኾነ፤ እዚኣቶም ብዝኾነ ዘይበላለጹ ማዕረ ከም
ዝኾኑ፤ ነጸብራቕ ካብ ኣካል ፀሓይ ከም ዝርከብ ኣካላዊ ቃል ወልድ
ቅድሚ ዓለም ካብ አብ ዝተወልደ ከም ዝኾነ፤ ካብ ገጽ 36-46
ተመልከት። መንፈስ ቅዱስ ከኣ ካብ አብ ጥራይ ዝሠርፅ ከም ዝኾነ
ዝገልፅ፡ ካብ ገጽ 47-53 ተመልከት።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ዝኾነ አምላኽ
ከም ዝኾነ፤ ንሱ ዋና ቤተ ክርስቲያን፣ ቅኑዕ እምነት ክርስትና
ዝመሥረተ፣ ሰማይን ምድርን ኣብኦም ዘሎ ኵሉ ብኣካላዊነት ቃሉ
ካብ ዘይምህላው ናብ ምህላው ኣምጺኡ ከም ዝፈጠረ፤ ኣብ
መወዳእታ ዘመን ከኣ ንሕያዋንን ሙታንን ክፈርድ ከም ዝመጽእ፤
ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ቅድስት
ድንግል እግዝእትነ ማርያም ሰብ ኮይኑ መለኮትን ትስብእትን
ዘወሃሃደሉ ምኽንያት ብዘይምትሕውዋስን ምድብላቕን፣ ብዘይም
ፍልላይን ምልውዋጥን ከም ዝኾነ፤ ምእንቲ ድሕነት ኵላትና ደቂ
ኣዳም ንርእሱ በጃ ኣሕሊፉ ብሰብነቱ መከራ ተቐቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ
ኣዳም ንዝተፈርደ ናይ እግዚአብሔር ፍርዲ ካሕሳ ዝኸፈለ ጐይታ
ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ ከም ዝኾነ፤ ተመዓራራዪ ብዘይብሉ
ትምህርቲ ንዅሉ ዓለም ብርሃን ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ብጽቡቕ
አምላኻ’ውን ሰብኣ’ውን ተግባሩ ድማ ንደቂ ሰብ ኣርኣያ ከም
ዝኾነ፤ ዝገልፅ ካብ ገጽ 53-76 ተመልከት።
ቀጺሉ ብዛዕባ ብቅድስት ቤተ ክርስቲያና ቅቡላት ዝኾኑ
ጉባኤ ሲኖዶሳት፦ ጉባኤ ኒቅያ፣ ጉባኤ ቍስጥንጥንያ፣ ጉባኤ ኤፌሶን፣
ጉባኤኦም ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ፡ ቅኑዕን ቅዱስን
ውሳኔታቶም’ውን ስሕተት ዘይብሉ ከም ዝኾነን ናይ ቤተ ክርስቲያን
ምክፍፋልን ዝገልፅ፡ ካብ ገጽ 77-104 ኣንብብ።
ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባሕርያዊ ኣምላኽነትን ምስ
አብን መንፈስ ቅዱስን ዘለዎ ማዕርነትን ዝኽሕዱ መናፍቃን ቅድም
ከም ዝነበሩ፡ ሕጂ’ውን ስለ ዘለዉ፤ ነዓኣቶም ንምቅዋምን መልሲ
ንምሃብን ዘኽእል ሓሙሽተ ዘርእስቱ መግለጺ ቀሪቡ ከም ዘሎ
ዝገልፅ ካብ ገጽ 105-130 ተመልከት።
ብናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መለኮታዊ ባሕርይ
ዘይኣምኑ ወገናት ዘቕርብዎም ናይ መከራኸሪ ጥቕስታትን ንዕኡ
ዝተዋህበ መልስታትን ዝገልፅ ካብ ገጽ 131-173 ተመልከት።
ሓጺር ሓተታ ብዝዕባ ሥነ ፍጥረትን ናይ መላእኽቲ
ተፈጥሮን መዓርግን ዝገልፅ ካብ ገጽ 174-182 ተመልከት።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተኣማንነት ክበሃል ከሎ፡ ቅዱሳት
መጻሕፍቲ ብናይ መንፈስ ቅዱስ ገላፅነት፤ ብቅዱሳን ሰባት ከም
ዝተጻሕፉ እኳ እንተ ተነግረ፡ እቶም ቅዱሳን ሰባት’ውን ካብ ገዛእ
ርእሶም ሓሳባት አመንጭዮም ከም ዘይጸሓፍዎም (2ይ ጢሞ. 3፣16-
17 ፤ 2ይ ጴጥ. 1፣19-21) ዘሎ ጥቕሲ ከም ዘረጋግጸልና፤ መጽሓፍ
ቅዱስ፡ ቃል እግዚአብሔር እዩ እኳ እንተ ተባህለ፡ ብጽሑፍ
ኣሰናዲኦም ነቲ ካብ እግዚአብሔር ዝሰምዕዎ ቃላት ተጠንቂቖም
ብትኽክል ከይወሰኹን ከይነከዩን ብጽሑፍ ናብ ሰባት ዘመሓላለፍዎ
ግና፡ ሰባት ከም ዝኾኑ፤ (ኤር. 1፣7፤ ኣሞጽ 3፣7፤ 1 ነገ. 22፣14፤ 2
ጢሞ. 4፣17) የረጋግጹልና፤ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ገለ ገለ
ዓንቀጻት፡ ነንሕድሕዶም ተቓረንትን ተገራጨውትን ኮይኖም
ዝስምዑና፡ ናይ ምርዳእ ዓቕምና ድሩት፡ ውሱን ስለ ዝኾነ እምበር፡
ቃል ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝቃረንን ዝገራጮን ዝፈላለን ከም ዘይኮነ፤
ብዛዕባ ተኣማንነት መጽሓፍ ቅዱስ 10 ዝኾኑ ኣርእስቲ ቀሪቦም ከም
ዘለዉ ዝገልፅ፡ ካብ ገጽ 183-205 ተመልከት።
ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን እምነትን
ትምህርትን ምንጪ መበቈሉ፡ ቀዳማይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካልኣይ
ከኣ ትውፊት ስለ ዝኾነ፤ ብዛዕባ ትውፊት ዝገልፅ ትምህርትን
መግለፅን ካብ ገጽ 205-211 ተመልከት።
ቤተ ክርስቲያን ማለት እንታይ ማለት ከም ዝኾነ፤ ኣብ ናይ
ኒቅያን ቍስጥንጥንያን ጉባኤታት ብዝተሓላለፈ ቀኖና ሃይማኖት
ውሳኔ መሠረት ንቤተ ክርስቲያን ሓንቲ፣ ቅድስት፣ ዓለም ለኻዊት፣
ሓዋርያዊት ከም ዝኾነትን ንምንታይ ናብ ቤተ ክርስቲያን
ንኸይድን ዝብል፣ ምስ ኣቶኻ ዝግበር ምምዕታብን ትርጕሙን፤
ብዛዕባ መቕደስን መጋረጃን ንዕጣን ዝምልከትን፤ ናይ ኅብረትን
ናይ ብሕትን ጸሎት፡ ኣገባቡን ትርጒሙን፤ ጸሎተ ፍትሓትን
ጠቕሙን ዝገልፅ ካብ ገጽ 212-253 ተመልከት፣፣
ብዛዕባ ሸውዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቀዳማይ
ኅታም “ሥነ-ፍጥረት ምስ ሓሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር” ዝብል
ብሰፊሑ ተጻሒፉ ስለ ዘሎ፡ ኣብኡ ተመልከት።
ነፍሲ ሰብ ሕያዊት እምበር መዋቲት ከም ዘይኮነት፤ ነፍስን
ሥጋን ድሕሪ ምፍልላለየን ክሳዕ መዓልቲ ፍርዲ ጽቡቕ ዝገበረት
ነፍሲ ኣብ ገነት፡ ክፉእ ዝገበረት ከኣ ኣብ ሲኦል ከም ትጸንሕ፥
ኣብ መወዳእታ ዓለም ግን፣ ኵሎም ሙታን ብዘይፈርስን
ብዘይብስብስን ኣካል ሥጋ ማለት በቲ መጀመርታ ቅድሚ ስሕተት
ኣዳምን ሔዋንን ዝተፈጥርዎ ኣካል ተንሢኦም ዘለዓለማዊ ክብሪ
መንግሥተ ሰማያት፣ ወይ ከኣ ናይ ዘለዓለማዊ ሥቓይ ገሃነመ እሳት
ከም ዝቕበሉን፡ ብዛዕባ ሽሕ ዓመት ብናይ ራእይ ዮሐንስ ኣበሃህላን
ዝገልፅ፤ ካብ ገጽ 254-267 ኣንብብ። ድሕነትን ጽድቅን ዝርከብ
ብእምነትን ብጽቡቕ ተግባርን እዩ እምበር፡ ብእምነት ጥራሕ
ክርከብ ከም ዘይከኣል፤ ብዛዕባ እምነትን ተግባርን ዝገልፅ ካብ
ገጽ 267-287 ተመልከት።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግብረ ምድሓን ፈጺሙ ድሕሪ
ምትንሥኡ፡ ንዅሉ ከከም ግብሩ ፈራዲ እዩ እምበር፡ ኣማላዲ
ኣይኮነን። ብዛዕባ ናይ ቅዱሳን ኣማላድነት ግን፡ ቤተ ክርስቲያን
ምሕረትን ኵነኔን ናይ ጐይታ ናይ ብሕቱ ሥልጣን ምዃኑ ከም
ትኣምንን ትምህርን፤ ምስ እዚ ኸኣ ኣማላድነት ኣማኒት እያ፤
ኣማላድነት ማለት ብቐጥታ ምስ ጐይታ ንምዝርራብ ብቑዓት
ኣይኮናን ብምባል፣ ብናይ ትሕትና ኣተሓሳስባ ካብ እግዚአብሔር
ቃል ኪዳንን ጸጋን ክብርን ብዝተዋህቦም ቅዱሳን ብዝኾኑ መላእኽቲ
ተራዳኢነትን ብናይ እመ ብርሃን እግዝእትነ ማርያም ቃለ ኪዳንን
ብናይ ኵሎም ብቑዓት ብዝኾኑ ቅዱሳን ኣማላድነትን ምኽንያት
ኣሚንካ ካብ እግዚአብሔር፡ ምሕረት ምልማን ማለት ከም ዝኾነ፤
ብዛዕባ እዚ ዝገልፅ ሓሙሽተ ኣርእስቲ ዘለዎ ካብ ገጽ 288-300
ኣንብብ። ብዝተፈላለዩ እምነታት ብዛዕባ እግዝእትነ ማርያም በበይኑ
ዝኾነ ኣበሃህላን እምነትን ከም ዘሎ፣ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ
ቤተ ክርስቲያንና እምነት ግን፣ ንእግዝእትነ ማርያም ነቢያት
በብዝተገልፀሎም ከም ዝተነበዩላን፣ ብብሉይ ኪዳን ዝተፈላለዩ
ብዙኃት ምሳሌታት ከም ዘለዋን፣ ኣዳማዊ ውርሲ ኃጢኣት ከም
ዘይብላ፤ ጐይታ ቅድሚ ምላዳን ድሕሪ ምላዳን ድንግልተ ሕሊና
ወሥጋ ከም ዝኾነት፤ ነዚ ዘርዚሩ ዘረድእ ትምህርቲ ኸኣ ነገረ
ማርያም ይበሃል፥ ነዚ ዝገልፅ፥ ካብ ገጽ 300-320 ተመልከት። ኣብ
ልዕሊ ናይ ጾም ውፅኢት፣ ናይ ተኸራኸርቲ ተቓውሞን ንተቓወምቲ
ዝተዋህቡ መልስታትን፣ ሸውዓተ ኣጽዋማትን ምኽንያት
መጾሚኦምን፣ ዝገልፅ ካብ ገጽ 320-330 ተመልከት።
መንፈሳውያን በዓላትን ናይ ዓመት ኣርባዕተ ዓበይቲ
ክፍልታትን ኣብ ውሽጦም ዝርከቡ ንኡሳን ክፍልታትን ናይ
ሰናብቲ ግጻዌ፡ መዝሙሩን ምንባባቱን፡ ባሕረ ሓሳብን ሰንጠረዡን
ዝገልፅ ካብ ገጽ 331-370 ተመልከት።
እዚ መቕድም ክኸውን ከሎ፣ ናይዚ መጽሓፍ ትሕዝቶ
በብምዕራፉን ኣርእስቱን ተሠሪዑ ተጻሒፉ ኣሎ፥ ስለ’ዚ ጊዜ
መዲብና ብኅድኣት ክንምልከቶ ሓደራ እብል።

ኣዳላውን ተርጓምን፡ ኣባ ወልደ ገብርኤል ቀሺ ብርሃነ

ሞባይል ቴለፎን፡ 07396814


ትኅዝቶ

ኣርእስቲ ገጽ

ኵሉ ጊዜ ዝጽለ ጸሎት ………………………………………….. 1


ምዕራፍ 1 qMBXo ነገረ KDŒq ወሥርዓተ አምልኮት ………. 4
ናይ ፍጥረት ሥነ ሥርዓት ……………………………………… 5
ናይ ሕልና ምስክርነት …………………………………………... 7
ናይ ወዲ-ሰብ ናይ ተፈጥሮ ዝንባሌ …………………………….. 8
ቃል እግዚአብሔርን ናይ ታሪኽ ምስክርነትን ………………….. 9
ናይ እግዚአብሔር ባሕርያት ……………………………………. 9
ናይ እግዚአብሔር ዘለዓለማዊነት ………………………………. 10
ናይ እግዚአብሔር ኵሉ ከኣልነት ……………………………… 11
እግዚአብሔር ዘይልወጥ ምዃኑ ………………………………… 13
ምልኣት እግዚአብሔር ………………………………………….. 15
መለኮታዊ ሓለዋ ………………………………………………… 16
ናይ እግዚአብሔር ፍልጠትን ጥበብን ………………………….. 17
ናይ እግዚአብሔር ቅድስና ……………………………………... 20
ናይ እግዚአብሔር ሕያውነትን ፍቕርን ………………………... 21
ናይ እግዚአብሔር ጽድቅን ፍትሕን …………………………… 28
ናይ እግዚአብሔር ሓቅነትን ተኣማንነትን …………………….. 31
ንእግዚአብሔር ናይ ማንም ሓገዝ ኣየድልዮን …………………. 33
ናይ እግዚአብሔር መንፈስነት ………………………………….. 34

ምዕራፍ 2 ምሥጢረ ሥላሴ፣ ………………………………….. 36


ንምሥጢረ ሥላሴ ዝቐርቡ ምሳሌታት ……………………….... 38
ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መረድኢ ……………………………... 39
ናይ ቅዱስ ሲኖዶስን ናይ ቅዱሳን ሊቃውንትን ምስክርነት …… 43
ሥርፀት ………………………………………………………….. 47
ምሥጢረ ሥጋዌ ……………………………………………….. 53
ንምንታይ ሰብ ኮነ ………………………………………………. 53
ኵሉ ሰብ ኃጢኣተኛ እዩ ……………………………………….. 60
ናይ እግዚአብሔር ፍርዲ ኣይልወጥን ………………………….. 61
እግዚአብሔር ርኅሩኅን መሓርን እዩ …………………………… 62
ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ምስክርነት ……………………………….. 64
ምሥጢረ ተዋህዶ ………………………………………………. 69
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስክርነት ……………………………….. 69
ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ምስክርነት ……………………………….. 72

ምዕራፍ 3 ………………………………………………….……. 77
ናይ ቤተ ክርስቲያን ዓለም ለኻዊ ጉባኤታትን ውሳኔታትን ….... 77
ናይ ኢየሩሳሌም ጉባኤ ................…………………………..…. 77
ጉባኤ ኒቅያን ውሳኔታቱን …………......……………………….. 78
ተወሰኽቲ ቀኖናታት ጉባኤ ኒቅያ …………………………….... 87
ጉባኤ ቍስጥንጥንያ ……………………………………………. 94
ጉባኤ ኤፌሶን …………………………………………………… 97
ካልኣይ ጉባኤ ኤፌሶን ………………………………………….. 99
ምክፍፋል ቤተ ክርስቲያን ………………………………….. 101

ምዕራፍ 4 መለኮታዊ ክብሪ መድኃኒና ……………………… 105


እግዚአብሔር ንኽብሩ ቀናእ እዩ ……………………………... 106
ናይ ነቢያት ምስክርነት ……………………………………….. 115
ናይ እግዚአብሔር መለኮታዊ መጸውዒኡን ክብሩን …………. 121
ምትእስሳር ጸሎተ ሃይማኖትን ቅዱሳት መጻሕፍትን ……….. 122

ምዕራፍ 5 ኣከራኸርቲ ጥቕስታትን መልስታቶምን ………….. 131


ተወሳኺ ትርጕም ኣከራኸርቲ ጥቅስታት …………………….. 172
ምዕራፍ 6 ሓጺር መግለፂ ብዛዕባ ሥነ ፍጥረት ……………… 174
ኣፈጣጥራ ፍጥረታት 6 መዓልቲ ……………………………... 175
ኣፈጣጥራ መላእኽቲ ………………………………………….. 179
Dïc KE†‹q (ሃለቓ መላእኽቲ) …………………………….. 181

ምዕራፍ 7 ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተኣማንነት (እሙንነት)……… 183


ናይ ትንቢታት ተፈጻምነት ……………………………………. 185
ናይ ተቓወምቲ እምነት ……………………………………….. 187
ናይ ተቓወምቲ ምስክርነትን ኣብ ልዕሊኦም ዝተረኽበ ዓወትን.. 188
ናይ ጥንታዊ ቅርሲ መረድኢ …………………………………. 190
ኣድላይነት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሥነ ምግባር ………………. 191
ተኸራኸርቲ ዘይቅበልዎም መጻሕፍቲ ………………………… 192
ነዚ ኽርኽር እዚ ዝተዋህበ መልሲ……………………………… 192
ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝቐረቡ ተቓውሞታትን መልስታቶምን.. 198
ትውፊት ………………………………………………………. 205

ምዕራፍ 8 ቤተ ክርስቲያን ………………………………….. 212


ናይ ቤተ ክርስቲያን 4 ቅጽል ኣስማት ……………………….. 215
ሕንፃ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘመነ ሓዲስ ……………………… 219
ንምንታይ ናብ ቤተ ክርስቲያን ንኸይድ ……………………... 220
መቅደስን መጋረጃን ………………………………………… 224
ንዕጣን ዝምልከት ……………………………………………... 226
ምምዕታብን ትርጕሙን ……………………………………….. 228
ኣገባብ ማሕበራዊ ጸሎት……………………………………….. 229
ናይ ብሕቲ ጸሎት፡ ኣገባቡን ትርጒሙን ……………………... 230
ጸሎተ ፍትሓትን ጠቕሙን…………………………………….. 246

ምዕራፍ 9 ነፍሲ ሰብ ………………………………………… 254


ትንሣኤ ሙታን ……………………………………………….. 257
ዘለዓለማዊ ፍርዲ ………………………………………………. 260
ሽሕ ዓመት ብናይ ራእይ ዮሐንስ ኣበሃህላ …………………… 263
ብዛዕባ እምነትን ተግባርን ……………………………………... 267

ምዕራፍ 10 ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣማላዲ ኣይኰነን …….. 288


ናይ ቅዱሳን ኣማላድነት ………………………………………. 289
ናይ ቅዱሳን ክብርን ፍልጠትን ……………………………….. 292
ናይ ቅዱሳት መጻሕፍቲ መረድኢ ……………………………. 295
ነገረ ማርያም ………………………………………………….. 300
ዘለዓለማዊ ድንግልናኣ ……………………………………….... 302
ክብራ ………………………………………………………….. 311
እግዝእትነ ማርያም ጥንተ አብሶ የብላን………………………. 316
ብዛዕባ ጾምን ተቓወምቱን ዝተዋህቦም መልስታትን ………… 320
7 ኣጽዋምን ምኽንያት መጾሚኦምን………………………….. 327

ምዕራፍ 11
4 ዓበይቲ ክፍልታት ዓመትን ንኡሳን ክፍልታቶምን ………. 331
መንፈሳውያን በዓላት………………………………………….. 337
9 ዓበይትን 9 ንኡሳንን በዓላተ ወልድ ……………………… 340
በዓለ ሐዋርያትን ማዕርነት ሰዓት መዓልትን ለይትን ……….. 341
ናይ ሰናብቲ ግጻዌ፡ መዝሙሩን ምንባባቱን …………………. 342
ሓንቲ መዓልቲ ብእግዚአብሔር ሽሕ ዓመት ምዃና ……….. 349
ክፍለ ዘመናት ………………………………………………… 349
ባሕረ ሓሳብን ሰንጠረዡን ……………………………………. 353
ዕዝል ወይ ግእዝ ዝቕደሶም ጊዜያት ………………………… 368
ሰብዐቱ ኪዳናትን 7ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያንን ………….. 368
9 መዓረጋተ ቤተ ክርስቲያን ………………………………… 369
7 አጽርሐተ መስቀል ………………………………………… 369
መወከሲ ጽሑፋት …………………………………………….. 370

You might also like