You are on page 1of 4

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሀዱ አምላክ አሜን

🌅#ብልቢ_አንብብዎ_አሕዋት 👇

👉 እምነት እንታይ ማለት እዩ?

👉ኦርቶዶክስ እንታይማለት እዩ?

👉ህይወት ክርስትና እንታይ ማለት እዩ??

👉ጸሎተሃይማኖት እንታይ ማለት እዩ??

👉ትምህርቲ ሃይማኖት እንታይ ማለት እዩ??

👉ህልውና እግዚአብሔር እንታይ ማለት እዩ??

👉ባህርያት እግዚአብሔር እንታይ ማለት እዩ??

🌅#እምነት_ማለት፡- ካብ “ኣምነ- ኣመነ” ዝብል ናይ ግእዝ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ፡ ነዚ ዝረአ ግዙፍ ዓለምን ዘይርአ ረቂቕ
ዓለምን ሰራዒ ፡መጋቢ፡ ፈጣሪ፡ገዛኢ ኣለዎ። ንሱ’ውን እግዚኣብሔር እዩ ኢልካ ብፍጹም ልብኻ ምእማን እምነት ይበሃል።
(ዕብ 11፡1) እምነት እግዚኣብሔርን ሰብን ዝራኸቡላ ናይ ህይወትን ድሕነትን መንገዲ ኢያ። ንሳ’ውን ቅንዕቲ ጐደና ካብ
ጥንቲ ዝጸንሐት ኣብ ዓለም ሓንቲ ዝኾነት ናይ ሰላምን ዕረፍትን መንገዲ እያ።(1 ይዮሃ 4፡2-3፣ ኤፌ 4፡5፣ ኤር 6፡16፣ ዘዳ
32፡7) እዛ እምነት እዚኣ ካብ ዓለመ መላእኽቲ ዝጀመረት ኮይና፡ ቅዱስ ገብርኤል፡ “ፈጣሪና ክሳብ ንፈልጥ ኣብ ዘለናዮ
ንጽናዕ” ኢሉ ዝሰበኸላ እያ። “ንቕሑ ኣብ እምነትኩም ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ” (1 ቆሮ 16፡13) ካብቲ ቐዳማይ ፍጥረት
ኣዳም፡ ጀሚሮም’ውን ብዙው ቅዱሳን ኣቦታት በዛ እምነት እዚኣ ሓሊፎም እዮም። 318 ሊቃውንቲ፡ ‹ቅድሚ ተግባር
ስጋ፡ ተግባር ነፍሲ፡ ቅኑዕ ሃይማኖት ምምሃር ይግባእ። ምኽንያቱ ሃይማኖት መሰረት፣ ምግባር ድማ ህንጻ ስለዝኾነ›
ኢሎም ምሂሮም እዮም። ንሕና’ውን ኣሰር ኣቦታትና ተኸቲልና፡ ኣብ እምነትና ክንጸንዕ በታ ዝሓለፍዋ’ውን ክንሓልፍ
መጽሓፍ ቅዱስ ይእዝዘና እዩ። “ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰብኩልኩም መራሕቲ ዘክርዎም። ከመይ ኢሎም ከምዝነበሩን
ከምዝሞቱን ኣስተዊዕልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ሰዓቡ።” (ዕብ 13፡7፤ ኢዮ 8፡8-10፤ 1 ነገ 21፡3)

🌅#ኦርቶዶክስ_ተዋህዶ

ኦርቶዶክስ ዝብል ቃል ናይ ግሪኽ ኮይኑ “ኦርቶ“ ማለት ቅኑዕ (ትኽክል) ማለት እዩ። “ዶክስ“ ማለት ከኣ ሃይማኖት ወይ
እምነት ማለት እዩ። ስለዚ ኦርቶዶክስ ማለት ‹ቅኑዕ ሃይማኖት(ርትዕት ሃይማኖት)› ማለት እዩ። እዚ ኸኣ እታ እምነት
ብቐጥታ ካብ ሃዋርያት ከም ዝተወርሰትን፡ ትምህርታ’ውን ብምንፍቕናን ፍልስፍናን ዘይተበረዘ፡ ሓቀኛ ናይ ኢየሱስ
ክርስቶስ ትምህርቲ ምዃኑ ዘመልክት ስም እዩ። ተዋህዶ ማለት ድማ ቃልን ስጋን ዝተወሃሃደ ማለት እዩ፡፡ “ኣብታ ቤት
ኣምላኽ፡ ማለት ኣብታ ናይ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ህያው ኣምላኽ ከመይ ጌርና ክንነብር ከም
ዝግብኣና ክትፈልጥ ጺሒፈልካ ኣለኹ።” (1 ጢሞ 3፡15፤ ኤር 6፡16፤ ኤፌ 2፡19-20፤ ይሁ 1፡3፤ ዮሃ 14፥6)

🌅#ህይወት_ክርስትና
ክርስቲያን ማለት ሰዓቢ ክርስቶስ ማለት እዩ። “እቶም ደቂ መዛሙርቲ ድማ ንፈለማ ግዜ ኣብ ኣንጾኪያ ክርስቲያን
ተባሂሎም ተሰምዩ።” (ግ.ሃዋ 11፡26፤ ማቴ 16፡24) ህይወት ክርስትና ማለት ከኣ ናይ ክርስቲያን መንነት ዘርኢ መንፈሳዊ
ስእሊ ማለት እዩ። ሓደ ክርስቲያን ድማ ብኹልንትንኡ ንክርስቶስ ክመስል አለዎ። (1 ዮሃ 2፡6) “ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም
ቅዱስ ዝኾነ ንስኻትኩም’ውን ብኹሉ ንብረትኩም ቅዱሳን ኩኑ።” ከም ዝብል። (1 ጴጥ 1፡15-16፤ ዘሌ 19፡2) ክርስቲያን
ንክርስቶስ ክመስሎ ኣለዎ ክበሃል ከሎ ድማ፡-

🌅ሀ. #ብኣተሓሳስባ፡- “እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኻትኩም ይሃሉ።” (ፊልጵ 2፡5፤ ሮሜ 12፡2)

🌅ለ. #ብኣዛራርባ፡- “ኣዘራርባኹም ኩሉ ሳዕ ብጸጋ ዝመልአ፡ ብጨው ዝተቓመመ ይኹን።” (ቆላ 4፡6) “እቲ ንሰማዕቱ
ንበረኸት ዝኸውን ከከም ዘድልዮም ከኣ ክሃንጽ ዝኽእል ሰናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም
ኣይውጻእ።” (ኤፌ 4፡29) “እቲ ኣፉን መልሓሱን ዝሕሉ ሰብ ካብ ጸበባ ይድሕን።” (ምሳ 21፡23፤ ማቴ 12፡37/26፡73፤ ያዕ
3፡2)

🌅ሐ. #ብግብርን_ብኣነባብራን፡- “ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፡ ንስኻትኩም ንዓይ ምሰሉ።” (1 ይቆሮ 11፡1)
“ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ከመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ
ሰብ ይብራህ።” (ማቴ 5፡16፤ ግ.ሃ 4፡32-35፤ 1 ይ ጴጥ 2፡12፤ ፊሊ 2፡15፤ ዮሃ 13፡15፤ 1 ዮሃ 3፡16)

🌅መ. #ብኣከዳድና፡- “ከምኡ’ውን ኣንስቲ ርእሰን ብምቑናን ወይ ብወርቂ፡ ወይ ብዕንቍ፡ ወይ ብኽቡር ዝዋግኡ ክዳውንቲ
ምግያጽ ዘይኮነ፡ ግቡእን ትሕትና ዘርእን ክዳን ይከደና።”፡ “ሰበይቲ ክዳን ሰብኣይ ኣይትከደን ፡ሰብኣይ ድማ ክዳን ሰበይቲ
ኣይከደን፡ ከምዚ ዝገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሔር ኣምላኽኩም ፉንፉን እዩ።” (ዘዳ 22፡5፡ 1 ይቆሮ 11፡5-15፤ 1 ይጴጥ 3፡1-
5፤ 1 ይጢሞ 2፡9-10)

እዚ ኣነባብራ እዚ ድማ ከም ቓሉ መሰረት፡ በታ ፍጽምቲ ዝኾነት ፍቕሪ ዝተኣስረ ክኸውን ኣለዎ። “ኣብ ልዕሊ እዚ ኩሉ
ግና ንኹለን ኣሲራ ኣብ ፍጻሜ እተብጽሕ ፍቕሪ እያ'ሞ ልበስዋ።” (ቆላ 3፡14) ከምዝበሎ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ብፍቕሪ
ክንነብር ይግብኣና እዩ።

🌅#ጸሎተ_ሃይማኖት

ጸሎተ ሃይማኖት ንሓድነትን ሰለስትነትን እግዚኣብሔር፡ ንኣምላኽነት ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፡ ንምሥጢረ
ሥጋዌን ነገረ ድሕነትን፡ ጥምቀት፡ ትንሳኤ ሙታንን ዝመጽእ ህይወትን ዝኣመሰሉ ዝተፈላለዩ ኣናቅጸ
ሃይማኖት(ዶግማታት) ዝሓዘ መግለጺ እምነት ዝኾነ ጸሎት እዩ። ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኡ ኣብ ጉባኤ ኒቅያን፡ (325 ዓ.ም)
ጉባኤ ቁስጥንጥንያን (381 ዓ፣ም)፡ ምእመናን ኣብ ቅንዕቲ እምነት ክጸንዑን፡ መናፍቓን ክፍለዩን ተባሂሉ ዝተወሰነ እኳ
እንተኾነ፡ ትሕዝትኡ ግና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝነበረ፡ ናይ ጐይታን ሃዋርያትን ትምርቲ ዝሓዘ እዩ።

🌅#ትምህርቲ_ሃይማኖት

ትምህርቲ እግዚኣብሔር ማለት ናይ እግዚኣብሔር ህላወን ክብርን ዝገልጽ ትምህርቲ እዩ። እግዚኣብሔር ማለት፡ ቃል
ብቓሉ ካብ ቋንቋ ግእዝ ዝወጸ ኮይኑ፡ ከምዚ ዝስዕብ ትርጉም ኣለዎ። “እግዚኣ“ ፈጣሪ ወይ ጐይታ ማለት ክኸውን
እንከሎ፡ “ብሔር” ኸኣ ዓለም ማለት እዩ። ስለዚ እግዚኣብሔር ማለት ‹ፈጣሪ ዓለም› ‹ጐይታ ዓለም› ማለት እዩ።
እግዚኣብሔር ዝብል ስም ናይ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ናይ ሓድነት ስሞም እዩ።

🌅#ህልውና_እግዚኣብሔር

እግዚኣብሔር መጀመርታ ኮነ መወዳእታ የብሉን፡ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ ኩሉ ግዜ ህልው እዩ። (ራእ 1፡8)
እግዚኣብሔር ህልው ከምዝኾነ ኸኣ በዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከነረጋግጽ ንኽእል፡-

🌅ሀ. ናይ ፍጥረት ሥነ ሥርዓት ፡- ኣብዚ ዓለም ዘሎ ኩሉ ፍጥረት ስርዓቱ ከይተዛብዐ፡ ክረምትን ሓጋይን፡ ለይትን
ቀትርን፡ ግዚኡ ከይተፋለሰ ምንባሩ፡ ከምኡ’ውን ልደትን ኣተዓባብያን ናይ ደቂ ሰባት ስርዓቱ ሓልዩ ምኻዱ፡ ሓደ ፈጣሪ፡
መጋቢ፡ ሰራዒ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ። ነቢይ ዳዊት’ውን እዚ ስርዓት እዚ ክብሪ ናይ እግዚኣብሔር ዘርኢ ምዃኑ ክገልጽ
ከሎ፡- “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፡ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ ይነግር።” ይብል። (መዝ 19፡1) ሃዋርያ ቅዱስ
ጳውሎስ’ውን፡ “ከመይ ዘመኻንይዎ ምእንቲ ክስእኑ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ተራእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ
እግዚኣብሔር፡ ማለት ዘለኣለማዊ ሓይሉን መለኮቱን ብፍጥረቱ ኣጸቢቑ ተጋህደ።” እናበለ እግዚኣብሔር ብፍጥረቱ ከም
ዝፍለጥ ይገልጽ። (ሮሜ 1፡20፤ ኢዮ 12፡7-10 ኢሳ 40፡26)

🌅ለ. ናይ ሕልና ምስክርነት፡- ሕልና ኣብ ሰብነት ዝርከብ ጽቡቕን ሕማቕን ዘፍልጥ ወይ ዘስተብህል ብእግዚኣብሔር
ዝተወሃበና መንፈሳዊ ናይ ስምዒት መርማሪ እዩ። ዝኾነ ሰብ ናይ ውሽጢ መንፈሳዊ ሕጊ ከም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። በዚ
መሰረት ንሕልንኡ እንተ ተገዚኡ ጽቡቕ ተግባር ፈልዩ ክፈልጥ ይኽእል እዩ። (ሮሜ 7፡14-23፤ 1 ይጢሞ 1፡19፤ ሮሜ 2፡
15፤ ሮሜ 9፡1)

🌅ሐ. ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ናይ ታሪኽን ምስክርነት፡- እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብትንቢት ተነጊሩ ፍጻሜኡ ዝረኸበ
ትንቢታት ኩሉ፡ ብታሪኽ’ውን እንተኾነ ዝተረጋገጸ እዩ። ንኣብነት ጐይታ ብዛዕባ ምጽኣት ከስተምህር ከሎ ከም ዝፍጸሙ
ዝተዛረቦም ነገራት፡ በብግዚኡ ይፍጸሙ ምህላዎም እግዚኣብሔር ዘሎን ዝነበረን፡ ንዘለኣለም ዝነብር ኣምላኽ ምዃኑን
ዘረድእ እዩ። (ማቴ 24፡1-15) መጽሓፍ ቅዱስ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ፡ እግዚኣብሔር ህልው ከምዝኾነ
ይምስክር እዩ። (ኢሳ 43፡10-13፤ ራእ 22፡12-13፤ ኢሳ 44፡6) ነቲ ኣምላኽ የልቦን ዝብል ሰብ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ዓሻ ሰብ
ይብሎ። (መዝ 14፡1፤ መዝ 10፡4፤ መዝ 53፡1)

🌅👉#ባህርያት_እግዚኣብሔር

ብሓፈሻ ባህርያት ክበሃል ከሎ ናይ ሐደ ነገር እንታይነት መንነት ዝገልጽ እዩ። ባህርያት እግዚኣብሔር ክበሃል ከሎ ኸኣ ናይ
እግዚኣብሔር ዕምቆቱ ዘይምርመር ምዃኑ ዝነግር እዩ። ናይ እግዚኣብሔር ባህርያት ከም ናይ ፍጥረታት ባህርያት
ዝብጻሕ ዝምርመር ኣይኮነን። “ኣየ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን፡ ፍልጠቱን ክንደይ ዓሚቚ እዩ፡ ንፍርዱ ክምርምሮ ዝኽእል
የልቦን፡ ንመንገዱ ክእስሮ ዝኽእል'ውን የልቦን።” (ሮሜ 11፡33-36፤ ሉቃ 10፡22፤ ሲራ 18፡4-5፤ ኢዮ 11፡7-11፤ መዝ 145፡
3፤ መዝ 147፡5፤ ሲራ 3፡21-23) ባህርያት እግዝኣብሔር ክንብል እንከለና፦

🌅ሀ. እግዚኣብሔር ኣብ ኩሉ መሉእ እዩ፦ እግዚኣብሔር ብግዜን ቦታን ዘይውሰን ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ኩሉን
ብኹሉን ምሉእ እዩ። (ኤር 23፡23-24፤ መዝ 139፡7-10፤ ግ.ሃዋ 7፡48.

ስብሐትለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር አሜን

~~~~ይቅጽል እዩ🙏🙏🙏

🌳ቅዱስ ሚካኤል አባቴ🌳

You might also like