You are on page 1of 2

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ ኣሜን

ፈተና፡ መዛዘሚ 1ይ ክፍሊ 1ይ ሰመስተር ዓውደ ትምህርቲ፡ ምስ ክርስቶስ ምንባር ብኸመይ


ምሉእ ስም፡ ኣሕፈሮም ቀሺ ተከስተ ተክለ
ባዶ ቦታ ምላእ (15 ነጥቢ)
1) ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብ እፈልጦ ኣየ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ ሓሳብ ዳሓን ደኣ እምበር ሓሳብ ክፉእ የብለይን።
ጥቅሲ 29፡11

2) ኦቶም ሰለስተ ደረጃታት ንስሓ ምጣዓስ ፣ ምውሳን፡ ምንዛዝ ይበሃሉ።

3) ፈውሲ ናይቲ ብሰንኪ ሓጢኣት ዝመጸ ካብ ኣምላኽ ምፍላይን ሞትን ዘላኣለማዊ ቅጽዓት እዩ።

4) “ብኣምላኻዊ ቅንኢ እቐንኣልኩም እየ እሞ ከም ሓንቲ ስድራ ምእንቲ ከቅርብርኩ፣ ንሓደ ሰብኣይ እሰደልኩም ኣለኹ፡ ንሱ ኸኣ
ውሉደይ እዩ።” ጥቅሲ ___________________

5) “እንሆ ኣብ አፍ ደገ ማዐጾ ኳሕኳሕ ኣብል ኣለኹ ሓደ እዃ ድምጸይ ሰሚዑ ማዓጾ እንተኸፈተለይ ናብኡ ካአቱ ምሳኡ አብ ማኣዲ
ክቅመጥ እየ ንሱ’ውን ምሳይ ክቅመጥ እዩ” ራኢ 3፡20

ነቶም ዝስዕቡ ሕቶታት ግቡእ መግለጺ ዘለዎ መልሲ ሃብ። (70 ነጥቢ)

1) ዕላማ እግዚኣብሔር ክፈጥረና ከሎ ውሉድ ክንኮኖ እዩ ክንብል ከሎና እንታይ ማለትና እዩ? ውሉድ ብምዃና ኸ እንታይ ጸጋታት
ንረክብ? 10 ነጥቢ
መልሲ፤ ወረስቱ ክንከወን ማለት እዩ፤፤ ንረኽቦ ጸጋታት ንወዱ ንመስልን ኣባላት ስድራቤቱ ንኸውንን።

2) ዕርክነት ምስ ክርስቶስ ክንብል ከሎና እንታይ ማለትና እዩ፧10 ነጥቢ


መልሲ፤ ብመንገዲ እግዛኣብሄር ምምልላስ ማለት እዩ።

3) ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ድምጺ እግዚኣብሔር ንምስማዕ ብኸመይ መገዲ ከነንብቦ ይግብኣና? 10 ነጥቢ
መልሲ፤ ዓው ኢልና ብምልኣት ልቢ ከነንብቦ ይግባኣና።

4) ሓጢኣት ማለት ካብ ኣምላኽ ምፍላይ እዩ ክንብል ከሎና እንታይ ማለትና እዩ? ዓስቢ ሓጢኣትከ እንታይ እዩ? 10 ነጥቢ
መልሲ፤ ሓጥያት ማለት መንገዲ አምላኽ ምስሓት ማለት እዩ፤ ዓስቢ ሓጥያት ከኣ ሞት እዩ።

5) ንክርስቶስ ናብ ልብኻ ክትዕድሞ ከሎኻ እንታይ ኢልካ ትጽሊ፡ ሓደ ሕጥበ ጽሑፍ ጸሓፍ? 5 ነጥቢ
መልሲ፤ ኣብ ሰማይ ትነብር ኣቦና ስምካ ይቀደስ መንግስትኻ ትምጻእ።

6) ታሪኽ ናይ ጥፉእ ወዲ ምስ ንስሓ ብምትሕሓዝ ኣረድእ 10 ነጥቢ


መልሲ፤ ምጣዓስ፤ ምንሳሕን ናብ አምላኽ ምቅራብን። እቲ ጥፉእ ወዲ ናብ አብኡ ተመሊሱ አብ ቅድሜኻን አብ ቅድሚ ሰማይን
ሓጥያት ገበርኩ ብምባል እናሳሕ።

7) ክትጽሊ ከሎኻ ቃል ሒዝካ ምቅራብ እንታይ ማለት ኣዩ? 5 ነጥቢ


መልሲ፤ ስም እግዛኣብሄር አልዒልካ ምጽላይ ማለት እዩ።

8) ግዜ ንስሓ መዓስ እዩ? 5 ነጥቢ


መልሲ፤ ሕጂ።

9) ሓደ ሰብ ክንሳሕን ንክርስቶስ ኣብ ልቡ ከንግስን ከም ዝግባእ ምስ መሃርካዮ፡ “ ሕይወተይ ምስ ኣመዓራረኹ ነዚ ክገብሮ እየ ኢሉካ።”


እንታይ ትመክሮ 5 ነጥቢ
መልሲ፤ ዝኾነ ሰብ ብሓይሉ ሂወቱ ክዐሪ ኣይከልን እዩ ትብሎ።

You might also like