Professional Documents
Culture Documents
Subtitles Corrected by Habtemariam
Subtitles Corrected by Habtemariam
ኩነታት እንዳ ኣዳላ’ዩ ከምኡ ከም ዝብል ገይሩኒ። ከም’ዛ ዘየብላዕና፡ ዘየስተናን ዘይከደንናን
ጠሊሞምና።
ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ’ዩ ነገሩ። ዝሓሰብኩዎ ክሳብ ዝገብር ምስ ኣዳላን ራየትን
ክዕረቕ’የ።
ጃብርከ?
Scene 460
ሕጅስ መርዓ ክዕወት ኢዩ። ጀማል ኢዩ ዝዕንቅፈና ዘሎ’ምበር አዳልስ ተዳልዩ ኣሎ።
(? ? ?)
Scene 462
ሃየ ባባ?
ንዒ መንሱራ፣ ኣይፋልክን።
ሰላም ስድራ!
በዚ ኮፍ በሉ።
Scene 428
ኣዳላ’ውን ጸላም መዓልቲ ውዒሉ። ዘረባ ሰበይቱ ሰሚዑ ኣግዲዑና። ብሰበይቱ ይምራሕ
ኮይኑ።
ንጀማል ካብ’ዛ ጓል ሳልም ክፈልዮ ክብል ኣብ ቅልጡፍ መርዓ ኣትየ። ገንዘበይ ተበቲኑ፣ ንሱ
ከኣ ኣይተመርዓወን። (? ? ?)
Scene 419
መርሓባ ባባ?
ባቢ፡ ከም’ዚ ትብልዎ ዘለኹም ፋሽን ኣይትኽደንን ኢያ። ንሳ ሓንቲ ፋራ ኢያ። ዕባየትን
ጻዕዳ መንዲልን’ያ ተኸዲና ነይራ። ካልእ ጓል ርኢኹም ከይትኾኑ።
Scene 471
ኣሃ (? ? ?)
ኣሃ፡ ኩሉ ድሉውዶ ኣሎ?
ተዳሊና ኣለና። ክንደይ ዝኣክል ሰብዶ ዓዲምኩም ኢኹም? ዘይመርዓ ጭልቖት ገይርክሞ
ዘለኹም። (? ? ?)
ድሓን፡ ድሓን ከምኡ ይሓይሽ። ኣሃ፡ መርሓባ ሼኽ ሳልሕ! ቃል ኪዳን ሰዓት ትሽዓተ
ክንገብሮ ኢና። ኣብ እንዳ ኣዳላ። እወ ኣብ እንዳ ኣዳላ ጽንሓና። ንመጽእ ኣለና።
ጸውዕዮ።
Scene 496
ስምዓኒ ጀማል…
ባዕልኻ ትፈልጥ!
Scene 542
ሕጂ እንታይ ንግበር? ናበይ ገጽና ንድለ? ንመን ንሕተት? ለጋስ ሰብኣይ ጠፊኡና። ክጠፍእ
ዘይነበሮ ሰብኣይ!
ረቢ ባዕሉ የቕልሎ! ዘይጽወር ኩነት ኢዩ’ዚ። ብሩኽ፡ ዕጉስ፡ ተጻዋሪ፡ ዘየማርር ሰብኣይ’ዩ
ኣዳላ።
ኩነታቱ ትፈልጥ እንተኔርካ ንምንታይ ተዋጥሮ! ብሰንክኻ ኢዩ ኣብ’ዚ ወዲቑ ዘሎ። ግደፈና
ያዓኺ!
ጀማል ወደይ፡ ካብዛ ቈልዓ’ዚኣ ትበልጽ የላን። ስምዓና ተባረኽ። ሕጂ ንድሕሪት ምምላስ
የለን።
ያ ጀማዓ፡ ናብ ነቢ ንሰሊ። (? ? ?)
ኣላህ መሰሊ (? ? ?)
ኣብ መንጎ ኣሕዋት ግርጭት ክህሉ ባህርያዊ’ዩ። ኣብ መንጎ ኖራይን ጃብርን ኣዳላን ንዘሎ
ግርጭት ክንፈትሕ መጺእና ኣለና። ረቢ ይሓግዘና!
እወ፡ መርዓ ንሓጐስን ውላድን ይደልዮ። ካብቲ መርዓ ንላዕሊ ግን ሕውነትኩም ይዓቢ።
(? ? ?)
ኖራይ፡ ዕርቂ ብሓደ ወገን ኣይከውንን’ዩ። ክነወሓሓጥ ኣሎና። እዚ ንጃብር ዝበልካዮ ግቡእ
ኣይኮነን። ጃብር ዓቢ ሓውኹም ኢዩ። ከምኡ ኣይገብርን ኢዩ።
ረቢ ይባርኽካ ጃብር!
ኣይተረዳእኩምንን። ዕርቂ እንተደሊኹም እዛ ገንዘበይ ዘጥፋእኩላ ጓል ንወደይ ከምትምርዖ
ግበሩ። እንተዘየለ ክንዕረቕ ኣይንኽእልን ኢና። ኣዳላ ከኣ ሰብ ብዝበሎ ስለዝምራሕ
ኣይጠቅምን’ዩ።
ኖራይ፡ እዚ ትብሎ ዘለኻ ዘተዓርቕ ኣይኮነን። ዘባእስ ኢዩ። ንሕና ሕድገታት ግበሩ ኢና
ንብል ዘለና። ኣይኮነን ድዩ?
እወ፡ ንሱ’ዩ።
እወ ትረብሕ!
እወ!
እዚ’ዩ ዘረባኻ ኖራይ? ብኸምዚ ክትዕረቕ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንምንታይ ኣብ ጸገም ንኣቱ?
ክብረትና ሒዝና ስቕ ዘይንብል። ያ ጀማዓ፡ ኣነ ከይደ። ቻው።
ግደፈና ያዓኺ!
Scene 495
ተኣለ፣ ርሓቐለይ!
Scene 491
ብምንታይ!
ባባ! ባባ!
ኣሃ?
እዚ ገዛና ገዛ ድዩ ወደብ? እንታይ ኢኹም ጀላቡ መሊእሊሞ?
ናይ ምንታይ ተራ ባባ?
ድሓን እዛ ጓለይ።
Scene 373
ይድውል ከኣ ኣሎ።
መን ኢዩ?
እቲ ምሽቲ ኣዳላ።
Scene 432
ኖሪት ጽቡቕ ኣላ። ብጽሕቲ ወርሒ ኢያ ዘላ። ብሰላም ትገላገል ኢልኩም ጸሎት ገበሩላ።
እንታይ ምስላይ የድለዮ፣ ዘይብመኪና ኢኹም ትኸዱ። የግዳስ ቅድም ኖሪት ብሰላም
ትገላገል በሉ። ምስ ተገላገለት ትኸዱ።
እሞ ድሓን፣ ረቢ ኣሎ።
Scene 529
እንታይ ድኣ በይንኽም ተስተንትኑ? እንታይ ዝተረኽበ ኣሎ ድዩ?
Scene 112
ጓል መን ኣመርዒኻዮ?
ጓል ሳልሕ ወዲ በኺት።
ግርም! ጽቡቕ ጌርካ። እታ ምስ ሓትነኣ ኣብ እንዳ ኣዳላ ዝዓበየት ዘኽታም ድያ?
ንኣስመራ ብምልእታ ዘጽገበ ውራይ ጌርካ ንምንታይ ዘይዓደምካኒ? ህያበይከ ኣበይ ኣሎ?
እሞ ክልተ ደቂ ሓትነ ንደቅኻ ግፍጥ ኣቢልካየን።
እንታይ ኢልካ?
ጽቡቕ ጊርካ። ከም’ቲ ትፈልጦ ንሕና ዓጽምና ጽሩይ፡ መዋስብትና ጽሩያት ኢና። ጓልና
ንካልእ ኣይንህብ፡ ጓል ካልእ ከኣ ኣይንደሊ።
መን ገጻ ቀምሪሩ?
መርዓት ዓርኮከባይ ባዕለይ ቈሪጸ ከምጽኣልካ እየ። ስኣን ላኻዶ መርዓ ይብተን? (? ? ?)
ኣዳላ፡ ንጀማል ሓቢረዮ ኣለኹ። ናብ ዱኳንና ኪድ። ኣነ ምስ ኣቦይ መርኬ ክነዕልል ኢና።
ክንመጽኣኩም ኢና።
ሕራይ!
Scene 236
ሓቁ’ዩ ኖራይ። ዝብለካ ዘሎ ስማዕ። ኖራይ ንረብሓኻን ረብሓ ጓልካን ዝሓስብ ሰብ ኢዩ።
ጓልካ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኮለል ኣብ ክንዲ ትብል ትምሰል ኢዩ ዝብለካ ዘሎ። ስምዓዮ።
ጃብር ንየው በሎ ኣዳላ። ላንጋ ላንጋ ከይትተርፍ። ኖራይ ይቐርበካ። ሓዉኻ ወዲ ኣዴኻ’ዩ።
ገባሪ ጽቡቕካ ከኣ ኢዩ። ኖራይ መራሒና’ዩ። ስምዓዮ።
ትቀበሎ ኣይትቀበሎ ሕጸን መርዓን ብሓደ ክንገብሮ ኢና በላ። ናይ ሓደ ወርሒ ዕድል ሃባ።
ነታ ቈልዓ ካብ ቤት-ትምህርቲ ኣውጸኣያ።
ኡፍ! ኣፍ ጭርናዕ!
Scene 539
ድሓን ሕራይ።
ፈንውኒ!
ፈንውኒ!
እንታይ ገይረኩም?
ኣነ እንታይ ገይረ ብሂወቱ ትሓትተኒ? ኣዳላ ሓወይ እንድዩ? ኣቦኻ እኮ’የ። ካብ መንገዲ
ሰይጣን ተመለስ።
Scene 512
ግደፉዋ ድሓን።
ስምዕኒ ማማ?
እሂ?
ሎሚኸ ምሃብኪዮምዶ?
ከምኡ ይሓይሽ?
እወ።
ንኺድ በላ ሕራይ።
ንኺድ።
Scene 546
ከምኡ ኣይኮነን። ኩሉ ከከም ግዜኡ ክኽየድ ኣለዎ። ሙኒር ኣፍቃሪት ኣላትኒ እናበለኩም
ብሓይሊ ኣመርዒኹሞ። እነሆለ ከኣ ንኖሪት ደርብዩ ናብ’ታ ናይ ልቡ ከይዱ። ጀማል ከኣ
እዚ ከይድገም ይልምነኩም ኣሎ። ኣሃ!
Scene 519
ሰላም ንዓኹም!
እዚ ስራሕ ኣይኮነን ባባ! ዓደግቲ ከፊኦምና። ገሊኦም ምሳኻ ይብኣሱ፡ ገሊኦም ከኣ ብሕቶ
ጦቕ የብሉኻ።
ብጣዕሚ ጽቡቕ!
ደብዳበ!
(ረያም አካን ፋድየት ህሌት። ሐዲስ Scene እት ንትጸበር ለ Scene ቀዳሚት አተላሌት)
d ሓን ኣይትርከብ! ረቢ ከኣ ኣይባርኽካ!
Scene 531
ኖራይ መመኽነይታታት ከይፈጠረ ንርከቦ። ነታ ቈልዓ ንኽሓሳ። ሰብኣያ ኣብ ዓሰብ ድላዩ
ፈጺሙ’ዩ።
ግዱድ መርዓ መወዳእትኡ እዚ’ዩ። ባዕሉ ክኽሕሳ መርዓዊ ካብ ዓሰብ ይምጻእ። ብኣካል
ኣብ’ዚ ይረኸብ።
Scene 87
ኖሪት ሕማቕ ኣላ። መርዓ ብግዲ ሕማቕ’ዩ። ሙኒር ድሃያ የብሉን። ክተስተንትን ትነብር
ኣላ። ንዓናይ ናብ ድኳን ንኺድ። (? ? ?)
ሕራይ።
Scene 187
ኣብ’ዚ ይሓይሽ። እታ ዝነበርኩማ ቦታስ…
ድሓን፣ ሻሂ ክሰቲ’የ።
ምሕረት የውርደሉ!
ኣሜን!
ኣዚኻ ዲኻ ጠሚኻ?
ንብላዕ በሉ። እዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ዩ። እዞም ክልተ ፍቑራት ሓሳብ ልቦም ክሰምረሎም’ዩ
ምንዮትና።
ኣቦይስ ሓሳቡ ዝቕይር ሰብ ኣይኮነን። ሓሚሙ ድኣ’ምበር ሕጸን መርዓን ብሓደ እናበለ’ዩ።
(? ? ?)
እንታይ ቀሺሸኺ?
ኡኡ!
Scene 42
ሰላም!
መርሓባ ናድያ!
ጂሚ ከመይ ኣለኻ?
ምስጋና ንረቢ!
ኣብ ገዛና ግብጃ ኣሎ። ንሹቕ ኢለ’የ ናብ’ዚ መጺኤ። ኣብ’ዚ ዝርዝር ዘሎ ስፐዛ
ኣዳልወለይ። ንስኻ’ውን ተዓዲምካ ኣለኻ።
ሕራይ፡ የቐንየለይ።
ገዛ በጺሔ ክምለስ’የ።
ገለ ስተዪ።
ሕራይ።
ኣዳሊኻዮ ጽንሓኒ።
ሕራይ።
Scene 45
ሕራይ ባባ።
Scene 89
መሰል ኣለካ። ኣቦኻን ሓወ’ቦኻ ኣዳላን ንበይኖም ዝገበሩዎ’ዩ። ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ መርዓ
ብግዲ ኣይግበርን’ዩ። ኣነ ኣይተቐበልኩዎን።
ሓወ’ቦኻ ጃብር ንሳብሪን ንወዱ ሓቲቱላ ነይሩ። ኣዳላ ግን ጓለይ ንእሽቶ ኢያ ኢሉ ንኖራይ
ሂቡዋ። በዚ ኢዩ ረጊጹዎም ከይዱ።
ኣነ’ውን ምሳኻ ኣለኹ። ኣነ ንጓል ሓወ’ቦይ ኣዳላ ከምዘይምርዖ ይፍለጡ። ነውሪ! ንወዲ
ሓወ’ቦይ ዝተኸልአት ኣነ ኣይምርዓዋን’የ።
መርሓባ፡ ኣጆኻ።
ፍቓድ ረቢ ይኹን!
Scene 47
እታ ምሳኻ ጉጅም ትብል ዝነበረት ጓል መን’ያ?
ኣነ’ውን ኣይክእሎን እየ። ንብረት ድኳነይ ክሸይጥ ኢለ’የ ክኢለዮ። ካልእ ኣይኮነን።
ጸላኢኹም ይዕወር!
እዋዘየካ ነይረ እዚ ወደይ። ናብ እንዳ ሓወ’ቦኻ ኣዳላ ከይደ ኣለኹ። ኣመት ድኳን ግበር።
ሕራይ።
Scene 37
እንካ ናይ ሻሂ እንተኾናኻ።
እህእ።
ይቕሬታ ጀማል።
Scene 152
መርሓባ ኣሞይ!
ከመይ ኣለኺ?
ጸላኢኺ እዛ ጓለይ!
Scene 56
በዚሑ ጂሚ ሓወይ።
ወለድኺ ኣብ ገዛ ኣለዉዶ?
ጽቡቕ ኣለኻ።
እሞ ቻው!
Scene 58
ናብ ድኳንስ ኣይመጽእን’የ።
ተምሪ እምባ ሃበና። (? ? ?)
እንታይ እኺ ዝበልኪ?
ቻው በሊ።
ክትብኣስ ዲኻ መጺእካ ወይስ ክትገዝእ? ገንዘብካ ምሳኻ ኣሎ፣ ካብ ካልእ ድኳን ዓድግ።
Scene 41
መርሓባ ኖራይ!
ኣብ ዓድና እንታይ ደስ ይብለኒ ነይሩ ‘መስለካ? እኽሊ ዝጸዓና ኣግማል፡ ኣብ መርዓ መኣዲ
ዘቀባብሉ መንእሰያት፡ ነቲ መርዓ ጥሪት ዝሓርዱ ሰብኡት…
ሕጂ ድኣ ናበይ ኢኹም?
ጀማል ወድኻ ጸባን ባንን ኣልሚዱኒ። ምስኡ ቈሪሰ ግምጥል ክብለኩም’የ። ምሳሕ ምሳኻ
ኣብ ገዛኹም። ዕላልካ ናፊቐዮ።
ረቢ ኣፍሊጠካ! ጸባስ ብጓጉድ ኢዩ ዝስተ። ግዜኡ ሓሊፉ። ገዓት ብጠስሚ ይርኣየኒ ኣሎ።
ንኺድ በል።
Scene 287
ዶ? ኣነ ጥራይ ተሪፈ?
እወ!
ንስኻ ናብተን መኻይን ኪድ። ኣነ ኣብ’ዚ ቀረባ ወጠጦ ኣለኒ። ከምጽኦ ከይደ።
ወጠጦ ኢልካ?
እወ።
ሕራይ እምብኣር።
Scene 294
Scene 248
ድሓን! ካብ ሓወ’ቦይ ሮመዳን ክረኽቦ ኣሎኒ። … ሃለው ሓወ’ቦይ ሮመዳን! ነቦይ ረኺብካ
ኣረድኣዮ ኢኻ። መርዓ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ይብል ኣሎ። ቻው፡ ቻው።
Scene 150
እዚ ወዲ ረኣይዮ! እንታይ ኰይኑ? (? ? ?)
Scene 307
Scene 309
ጽቡቕ ኣለኻ። እቲ ዕድል ሂብናካ ኣለና። ንሕና ሓንቲ ምህርትን ወረጃን ጓል መሪጽናልካ
ኔርና።
ኣሃ?
ጽቡቕ ኣለኻ ኣቦ። ኣብ’ዚ ሓጺር ግዜ ሓዲኡ ክነግረካ’የ። ብዘይክኣ’ውን ሓንቲ ዶክተር
ኣላ። ኣጽኒዔ ክነግረካ’የ።
ስጋ ኣይምሓሸናን?
ድሓን ድኻ ጂሚ?
ውሳነይ … መጺእኪ?
ኣየናይ ውሳነ?
ኣነ ‘ውሳነይ’ ኢለ?
እወ ‘ውሳነይ’ ትብል ኔርካ። ሎሚ ኣይድሓንካን። ሓዲሽ ነገር እንተሎ ንገረኒ። ወይስ ካባይ
ንላዕሊ ትኣምኖ ኣለካ?
ካባኺ ንላዕሊ ትቐርበኒ የብለይን። ብኣንጻሩ ካባኺ ከይርሕቕ ኢዩ ዘጨንቐኒ ዘሎ።
Scene 284
ከይትጽረፊ ኢለ እየ።
ይጽረፉ ግደፍዮም። በቃ! ኣቦይ ሓውዩ ወጺኡ ኣሎ። ንምንታይ’ዮም ኣራግጽ ዝውድኡና?
Scene 290
Scene 282
ከምኡ ኢልካ?
እወ።
ሕራይ።
Scene 381
መዓልኩም!
መርሓባ ባባ!
ድሓንዶ ውዒልክን?
ኣልሓምዱሊላህ!
እቲ ዋና ገዛ ማለተይ ኢዩ?
ሕራይ።
ኣይተረድኣኒን።
ኣይተመሃርኩዋን።
ሕራይ! ኣደይ ግን ጽቡቕ ትገብር ኣላ። ምስ ሰብ ጽቡቕ ዝምድና ትፈጥር ኣላ። እዚ ጽባሕ
ክጠቕመና’ዩ።
ሕራይ።
ኣላህ!
Scene 567
እንታይ’ዩ እቲ ዘይኣመለይ?
እንታይ’ዩ?
እወ።
ቁሩብ ዘይንጽበ? ናበይ ኢኹምከ ክትገሹ?
እወ፡ እወ።
Scene 559
ወረጃ ይኹን ኣይኹን፡ ከይሓተተና ንጓልና ተመርዓዋ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና። ኣገባብ
ኣይኮነን።
እወ።
እወ።
ጽቡቕ ኣለኺ።
Scene 571
ምስኪን ጀማል! ብሓጥያት ኣቡኡ ክቕጻዕ ኣይግባእን። ናይ ባዕሉ ዱኳን ከኣ ገይሩ ኢሎሞ።
እሞ ስለዝሃብተመ ዲኺ ፈቲኺዮ?
ረቢ ይስማዕኩም!
ኣሜን!
ድሓን ኣይተሓዝለይ።
Scene 107
ሕጂ ኣብ’ቲ ጉዳይና ንእቶ። ካባኻ ዝሕባእ የብልናን። ኣነን ናድያን ፍቑራት ኢና። ግና
ብድሆታት በዚሖምና። ንናድያ ዝሓትቱ በዚሖም። ወለደይ ድማ ሓንቲ ሕጻን ከመርዕዉኒ
መዲቦም።
ፍቓድ ረቢ ይኹን።
ኣይኮነን ድዩ ናድያ?
መዓልኩም!
መርሓባ ኣደ!
ጽቡቕ ማማ።
ንበሩ!
ኣብ ምብጋስና መጺእኪ።
ጸላኢኹም ይኺድ!
Scene 601
መዓልኩም!
እወ።
ኣጸቢቐ እፈልጦም።
እወ።
እወ።
ኣሜን!
Scene 603
እወ!
ሕራይ እንተዘይበለትከ?
መዓልኩም!
መርሓባ’ዚ ወደይ!
ኮፍ በል ጀማል ወደይ።
ኣቦይ ሳልም!
መርሓባ!
ኩነታት ኣቦይ ትፈልጦ ኢኻ። ኣነ እኹል ሰብ’የ። ካብ ኣቦይ ዝደልዮ የብለይን። ቃል ጥራይ
እተዉለይ’ምበር ሽማግለ ክሰድድ’የ።
ስተ እዚ ወደይ።
Scene 615
ኣደ ናድያ!
ኣሃ?
Scene 619
ኣየእትወኪን ኢዩ!
ከይተመርዓኹ እንተነበርኩኸ?
Scene 581
ብኣጋጣሚ እዚ መርዓ ክገይሽ እየ። ኩሎም ቤተሰብ ክበጽሖም’የ። እንተደንጕየ
ኣይትሻቐሉ። ወዲ ኖራይ’ውን ምሳኻ ክገይሽ ኢሉኒ ነይሩ።
ብዛዕባ ሓወ’ብኡ ኣዳላ ከጣይቕ ደልዩ። ግና ትረፍ ድሓን ባዕለይ ከጣይቐልካ ኢለዮ።
ወሪዱኒ!
ከምኡ’ዩ ዝኸውን።
ንዒ ነጃት!
ኣሃ?
ጨና ገዛ ኣምጽእለይ።
Scene 537
ናትካ ናይ ሓላልካ?
ክራይ ኣይከብረካን?
ኣነ’ውን ገለ ከበርክት።
Scene 537
እሂ? እሰሞዓካ ኣለኹ። ፈሊጠካ ኣለኹ። እንታይ ክትብል ደሊኻ? ጀማል፡ ይኣኽለኒ። ክሳብ
መዓስ ክዕሾ ክነብር? መደናገሪ ኣይትመስለኒን ኔርካ። ነታ ጓል ሓወ’ቦኻ ተመርዓዋ። ቻው!
Scene 315
ንጀማል ጽውዕለይ።
ንግሆ ወጺኡ?
እወ።
ድሓን።
እሞ ባዕልኺ ኣኾልስዮ።
ኣፍኪ ሓዚ ኣቲ ሰበይቲ!
Scene 319
እንታይ ድኺ በሊዕኪ ሎሚ? መን ጠበቓ ገይሩኪ ክንዲ’ዚ ትልፍልፊ? ጀማል እንታይ ኮይኑ
ኢሎምኺ?
Scene 345
ሕጂ ዝሰማዕኩዎ ክነግረካ…
እንታይ ሰሚዕኪ?
እሂ?
Scene 352
ደንጕየኩምዶ?
ስተ ኣዳላ።
Scene 276
ብዘይክአን ኩሉ ብላሽ’ዩ!
ክትመጽእ ኢያ።
Scene 278
ዘሀውኽ የለን።
ግቡእና ኢዩ።
ሓቦኛ ኢኻ ኣዳላ!
ጋሻ ምስ ኣፋነኻ ትኸይድ።
ሕራይ።
መርሓባ!
ምሳሕ’ባ? ደንጒኺ።
እወ።
Scene 280
ረቢ ይባርኽኩም! የቐንየልና!
ዶ?
እወ።
ጽቡቕ!
ቻው!
ቻው!
መርሓባ ሳልም!
Scene 354
ማሚ!
ኣሃ?
Scene 296
ሰላማት!
መርሓባ!
ከመይ ኣለኹም?
መርሓባ! እተዉ።
ከመይ ኣለኹም?
ኣልሓምዱሊላህ
ኣቦኺ ሕሹዎዶ?
ኣልሓምዱሊላህ! እተዉ።
ባዕለይ ክኣስሮ’የ።
ኣይፋልኩምን፣ እተዉ።
ሕራይ በሊ።
Scene 298
እዚ ወረ መን የምጽኣልኪ?
ኣብ ድኳን እውን የስርሖ’ዩ። ሓንቲ መዓልቲ እታ ከልቢ ሓፍቱ ርእያቶ። ሓስያትሉ ከኣ።
እዚስ ነጊሩኒ ነይሩ። ብዛዕባ ፍቕሪ ጀማልን ናድያን’ውን ነጊሩኒ ነይሩ። መንሱር
ኣይሓብእን’ዩ። ሎም-ቅነኸ ይመጽኣኪዶ ኣሎ? ሓሳዊት ግን ኣይትበልያ። ሓፍትኺ ኢያ።
እንታይ ሰበይቱ?
እንታይ ሕቶኡ’ዩ እዚ? ኣዳላ ሓድሽ መጻኣይ ድዩ? ዝደለየ እንተደለየኸ እንታይ ኣእተወኪ?
እሂ?
Scene 288
እወ፡ ሕጂ ዘኪረዮ።
ፍቓድ ረቢ ካብ ኮነ ተመነ።
ካብ ኣዝማድና ወጻኢኸ?
Scene 119
ንዓይ ጸጕሪ ቅንርንፍል! ጸጕርኺ ንፈልጦ እኮ ኢና። ክንዲ ቅርንፍል እውን የብልክን።
(? ? ?)
ኣነ ኣብ ርእስኹም ደይበ?
እሂ?
ንዓይ መጣቘሲት!
እወ መጣቘሲት!
ጠባይ ግበሪ!
መንሱራ!
ከርእየኪ’የ!
Scene 335
እንታይ ስለዝገበርናልኩም?
ንመን ጉማማ?
ንዓኺ!
ንዓይ ጉማማ?
እወ ጉማማ!
ኣነ ጓሉ! ንዒ!
Scene 184
እንታይ’ዩ ረኺቡክን?
ኪዲ!
ንስኺ’ባ ኪዲ!
Scene 382
ስማዕ ጀማል!
እሂ ኣቦ?
ከምኡ ግበር ጀማል ወደይ። ድኳን ከመይ ይሰርሕ ኣሎ? ገለዶ ኣብ ባንክ ኣእቲኻ?
ሕራይ።
Scene 394
ኪዲ!
ንስኺ’ባ ኪዲ!
Scene 369
Scene 379
መንከ ገጾም ክርኢ ደልዩ? ሰበይትና እንተኾይና ትምጻእ። እንተዘየለ ኣብ ዘላቶ ትትረፍ።
ረቢ ኩሉ ዝከኣሎ!
Scene 411
ሰላማት!
ኣልሓምዱሊላህ!
ኣሃ! እሞ እቶት ድኳን መንሱርን ናድያን ይግሕጡዎ ኣለዉ። ብሂወተይ ከለኹ ወሪሶምኒ።
ከላስ! ድካን መንሱርን ናድያን ወሪሶሞ። እንዳ ኣዳላ ባዕልና ዝሓገዝናዮም ከይኣክል ብጓል
መገዲ ዘሚቶምና።
እወ ዘሚቶሞ። (? ? ?) ዘሚቶምና
በቃ!
Scene 406
ንዓይ ትነግርኒ። ባዕልኺ ስጐጒዮ ዝበለኪ የለን። ንጀማል ወድኺ ከኣ ኣደብ ግበር በልዮ።
ምጥቛሱ ይኣኽለኒ።
እንታይ ገይሩ ኢለኪ? ምስ ጃብርን ሮመዳንን ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። እዚኣቶም
ደለይቲ ጽቡቕና ኣይኮኑን። ቀዳማይ መርዓ ዘፍሸሉ ንሳቶም ኢዮም።
ጀማልን ራየትን ዝበሉ እንተበሉ ሳብሪን ሰበይትና’ያ። ኣሕጽር ኣቢልና መርዓና ክንገብር
ኢና።
ንግደፋ ኢልኪ ከኣ ትሓትቲ!? ደድሕርኣ ኮለል ክብል የብሉን። እንዳ ሳልም ኣዝማድናን
መዋስብትናን ኣይኮኑን።
ተፋቒሮም ኣለዉ ኢለ እንድኣለይ። ገዲፍናዮ ሕራይ።
ኣነ እንታይ ገይረ?
Scene 7
ሕራይ ባባ።
ሕራይ።
ሰላማት!
መርሓባ!
ማኬ! (? ? ?)
ኦፋ!
ወይ ጉድ ደቂ ሎሚ!
ሰላማት ኖራይ!
ከመይ ኣለኹም?
ሰብና ጽቡቕ ኣሎ። ጥሪት ግን ኣብ ኣስመራ መን ይሓትተለን ኮይኑ! ጥሪት ዘጥሪ የለን።
ልምዲ ኢዩ። ኣብ ዓዲ ዘለኹ መሲሉኒ። ጃብር ሓውኻ እውን ምሳይ መጺኡ ኣሎ። ክልተ
ድልዱላት ወጣጡ የምጽኣልኩም ኣሎ።
(እብ ከለጥ እግል ኖራይ ኣዳላ ቤለዩ) ኮፍ ክብል’የ ኖራይ ወደይ። ተቐባላይ ጋሻናን ገባሪ
ሰናይናን እንዲኻ።
ከምትገብሮ ጥርጥር የብለይን። ኣሜን በል’ዚ ወደይ። ምርቓይ ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን።
ሕራይ’ዚ ወደይ። (? ? ?)
እወ፣ ንኣቦኻ ስምዓዮ። እዚኣ ትመስል ቈልዓ ካልእ ክወስዳ የብሉን። እቲ ልምድና ከኣ
ፍለጦ። ንሕና ዘይቤተሰብና ኣይነእቱን ኢና። ኣብ ሓድሕድና ንወሃሃብ፡ ካብ ሓድሕድና ከኣ
ንወስድ።
Scene 244
እንታይ ኮይነ ዘይፈልጦ? ንዓይ ረሲዕካ ኣብ ትሕቲ ባንኮ ኮካዶ ተስትዮ ኣይነበርካን።
እዚ’የ ዝበልኩ! በቃ መንሱር ብደወይ ገይሩ ወሪሱኒ። ድኳነይ መውዓሊኡ ገይሩዎ። ኣሕ!
Scene 455
ኣላህ! ሎሚ ደኺመ ኣለኹ። እስከ ተኣለይለይ ክድቅስ። ምሉእ መዓልቲ ኣብ ጉዕዞ
ውዒልና።
ግደፉና እስከ? መልሓስ ዓጽሚ የብላን፣ ዓጽሚ ግን ትሰብር። ጥዑም ዘረባ ዘይትዛረቡ?
ሰሚዔኩም ኣለኹ! ጀማል ወደይ፡ ዕለት መርዓ ቈጺርና ኣለና። ወደይ እንተዀንካ
ክትምርዖ ኢኻ።
Scene 436
ኣሃ?
መንሱራ ንዒ። ናብ ሓውኺ ደውሊ። ቀልጥፊ።
ሃለው! ሃለው ጂሚ! ሰይቲ ሓውኻ ሕማም ሕርሲ ሒዙዋ ኣሎ። እወ፣ ቀልጢፍካ ምጻእ
ናብ ሕክምና ክንወስዳ። ኣይዋ።
ሃቢ፣ ኣይዋ ጀማል ወልየ። እሲት ሑካ ትምሕጽ ህሌት። ንዓ ምጽኣና ሕክምና ክንወስዳ።
ቀልጥፍ፣ ቀልጥፍ! ኣቦኻ? ኣቦኻ ገይሹ ኣሎ። ቀልጥፍ ሕክምና ክንወስዳ። እንኪ!
Scene 422
ናይ ምንታይ ተስፋ?
ወይ ጉድ!
Scene 28
ማሕሙድ! ማሕሙድ!
ኣሃ?
ጽቡቕ!
ጓል መን ኢኹም ክተምጽኡለይ?
Scene 363
እቲኣ?
እወ።
በየን ክድይብ?
እዚኣ ኢያ መንገዳ።
የቐንየለይ 1
ሰላም ሰብ ገዛ!
ሳብሪን’የ ኣሞ!
ሕብእኒ ኣሞ!
እንታይ ኰንኪ?
ሕራይ ንእቶ።
Scene 367
ሓወቦይ ጃብር ይፈትወኒ ኢዩ። ባዕለይ ከረድኦ እየ። ጥራይ ንስኺ ኣይትንገርለይ።
Scene 77
መርሓባ ሮመዳን!
ከመይ ኣለኹም?
ንቐደም በል!
ደቅና ክንርኢ።
ጽቡቕ ገርካ።
ቡን ክንገብር።
ኣኺሉካ ጉያ በስ! ቡን ክንገብር ኢና። ሓዉኻ ከኣ የርክበና። ስራሕ መንግስቲ ከመይ ኣሎ?
ግዜ ተቐይሩ ኢዩ። ጃብር ጓል ሓወይ ንወደይ ምስበለ ኣይፋልካን ኢለዮ እየ። ኣይሰምዓኒን።
ሕራይ በሊ።
Scene 79
ጎደሎ የብለንን። ኣይትሕረቒ። ማሕሙድ እኹል ሰብኣይ ኢዩ። ባዕሉ ይምረጽ እብለኪ
ኣለኹ።
ድሓን ውዓል። ድሓን ኣይትእቶ ሮመዳን! ነዚ ምኽሪ’ዚ ሒዝካ’ዶ መጺእካ? ‘ዕድሉ ምስኡ
ኢዩ ዘሎ!’፡ እንታይዶስ ኣበይዶስ። መን መርዓት ምስ በለክን ትኰሓላ! ባዕልኹም ድኣ
ተመርዓዉወን’ምበር ማሕሙድ ኣብ’ዚታት የለን።
Scene (ዕልብ ወሂጋ አለባ። ሮመዳን እጅትማዕ እት ወዴ)።
Scene 500
ኣዳላ፡ ኖራይ፡ ንዑ! በዚ ኮፍ በሉ። እንኩም እዚ ሓዲሽ ክዳን። ኣጆኹም! ክንዲ ኣቦኹም
ክኾነልኩም እየ።
Scene 123
መዓልኩም!
መርሓባ!
ድሓን’ዶ ውዒልኩም?
ጽቡቕ!
ናበይ ገይሹ?
ዶ?
እወ።
ነዓይ ከይሓተተ ድዩ ከመርዕወኒ? ንጓል ሓወቦይ ኣዳላ ኣይደልያን እየዶ ኣይበልኩዎን!?
ሕራይ ኣደ።
Scene 371
መዓልኩም!
መርሓባ ማሕሙድ!
ደሓንዶ ውዒልኩም?
ኣሃ!
Scene 20
ጽቡቕ ኣለዉ።
ኣ (? ? ?)
እወ ደስ ይብለን።
ንዓይከ?
ናትካ ካብ ኩሉ ዝበለጸ’ዩ።
ካብ ክዳን ዝበልጽ?
በዓል ሞባይል ግራት ኣይሓርስ፡ ጥሪት ኣይጓሲ! ምስኣ ክጻወት ውራዩ ኢዩ ዝርስዕ።
ዓሽ ያኺ!
እንታይ ክትህብ!
ቀለባ’ዩ ዝኸፍኣካ!
Scene 22
ስማዕ’ባ ኣቦ ፋጥና!
እሞ ሕጂ እንታይ ተበሃሂልኩም?
ካብ ሓቂ ትሃድሙ ኣለኹም።
Scene 4 A
ኣብ ኣስመራ ጓል መን ኣላ?
Scene 4 B
የቐንየለይ’ዚ ወደይ!
መጋይሽቲ ኣለዉና።
በዓል መን ኢዮም?
ኣቦይ መርከ!
ኣሃ!
መዓልቲ መዓልቲ ኣስመራ ምድያብ ከድክመካ ኢዩ። ንዓይ ውክልና ዘይትገብረለይ ጉዳይካ
ከማልኣልካ?
እወ፡ እወ!
ሓቅኻ! ከይረሳዕኩልካ፡ መኪና ኣብ ጥራይ ከብድኻ ንዓቐብ’ያ ተብል። ቁርሲ ደኣ ግበሪ በላ።
Scene 75
Scene 139
ንስኻ ንጹህ ኢኻ። ንሳ ግን ተንኮለኛ ኢያ። ንጓል ሓፍተይ ወጺዖማ ትብል ኣላ ሰሚዔ።
ናይ ኣዲኣ ወሲዳ። ሓትኖይ ሓሊማ፡ ነብሳ ይምሓር! ተንኮለኛ’ያ ነይራ።
መን’ሞ ይፈልጦ እዚ!? ንስኻ ጥራይ ተጠንቀቕ፡ ቃልካ ከይትቕይር። ንጓልካ ንወደይ
ምሃብካ ደስ ኣይበላን።
እዚ ናባይ ግደፎ።
ቻው በል!
ቻው!
Scene 137
ኖራይ ሓወይ ሓሙ ጥራይ መዓስ ኮይኑ። ኣቦ’ውን ኢዩ። ቀለባን ክዳናን ዘጕደለላ የብሉን።
ኣፋንወኒ ኣዳላ።
ቁሩብ ዘይተዕልል።
ክኸይድ ድሓን።
ዶ?
እወ።
ሕራይ በል።
Scene 145
ንስኻ ዘይትፈልጦ ጉዳይ የብልናን። ኖራይ ጓልኩም ሃቡኒ ኢሉና። ንሕና ከኣ ሂብናዮ። ነታ
ቈልዓ ንገርያ ኢለያ።
ኣሃ?
ስምዑኒ ረቢ ይስማዕኩም!
ኣሜን!
ካብ’ዚ ንላዕሊ ግርጭት እንታይ ኣሎ? ንስኻን ጃብር ሓዉኻን ተባቲኽኩም። ጃብርን
ኖራይን ከም ክልተ ኣሕዋት ድዮም ዘለዉ? ንስኻን በዓልቲ-ቤትካን ካብ መዓስ ከም’ዚ
ተሓራሪቕኩም ትፈልጡ? ሳብሪን ከም ጓል ሳልም ተማሂረ ወለደይ ክሕግዝ እናበለት
ንምንታይ ሕልማ ትኾልፉዋ? እንታይ ኢያኸ ክትብል?
ኣሃ?
ኣነ’ውን ከምኡ’የ ዝበልኩ። ጓልና ክንዲ ሰብ ክሳብ ትኣክል ተጸበዩና እብል ኣለኹ።
ንኣሕዋት ዘባእስ ጥቓና ኣይቕረብ።
በዚ ቅሰኑ። ኣይትሻቐሉ።
Scene 114
ማሽኣላሕ!
ዶ! እንታይ ድኣ በለኩም?
ኖራይ ድኳኑ ናባና ይጓርቶ ኣሎ። እንካ ዝበሉዎ ከኣ ካብ ምቕባል ሓሊፉ እንታይ ይገብር!
Scene 120
እሂ ማማ? ክጻወትዶ?
ሕራይ፡ ግና ከይትድንጕዪ።
Yes,thanks mom!
ነታ ቈልዓ ነጊርክያዶ?
እንታይ’የ ዝነግራ?
ኣበይ ኣላ ሳብሪን?
ኣነ ከኣ እንተዘየውጺኤያ ኣነ ኣይኮንኩን!
Scene 29 B
መርሓባ ጓለይ!
በዚ ኮፍ በሊ።
Scene 126
ንሱ ድኣ ሓቅኹም።
ሳብሪን ጓለይ ኣይህቦምን’የ። እንዳ ኖራይ ነታ ኣቐዲሞም ዝወሰዱዋ ጓለይ እንታይ ጽቡቕ
ፈድዮማ! ንብዓት ኮይኑ ቀለብ ኖሪት ጓለይ!
Scene 44
ፈትንያ እስከ…?
ኣሃ?
ጽንሒ፡ ጽንሒ!
ኣሃ?
ጽቡቕ መጺኣ።
እወ ተዓርያ።
ኣቡዬ ኣዳላ
ድሓንቱ?
ደሓን ቱ።
ሕራይ።
መጻእኩ።
ዓንዶም ኩሉ ግዜ ምስ ሓገዘኩም’ዩ።
ኩብላልያ ኮይና።
እወ።
Scene 101
ይኣክል፡ ይኣክል።
ግደፍኒ!
ኖራይ ጸጊቡ። ንኹሉ ብገንዘቡ ክገዝኦ ደልዩ። ዝገደደ ግን እቲ ኣዳላ ናብ ዝበሎ ይጕተት
ኣሎ።
እዚስ ኣይግድን።
ኖሪት ጓለይ እንታይ ጽቡቕ ረኺባ። ብግዲ ተመርዕያ ሰብኣያ ጠንጢኑዋ ከይዱ። እታ
ንዕልታ ከኣ ሰላም ከሊኣታ።
መንሱራ?
እወ ንሳ።
Scene 94
ሰላማት ማማ!
ኣ (? ? ?)
እወ።
Scene 96
Scene 199
ኣቦይ ሽመይ ‘ኩብላልያ፡ ትሩፍ’ ገይሩዎ ኣሎ። ትምህርቲ ስለዘቋረጽኩ እንድየ ዝንዓቕ
ዘለኹ።
ንስኻ’ውን ኣይሓገዝካዮን።
ሰለስተ እግራ ብሽክሌታ ክደፍእ? እተን ኣዋልድከ እንታይ ክብላኒ!? ስራሕ መካኒክ ከኣ
ትርእይዮ ኣለኺ፣ ጥርዝያ ኮይኑ ውጽኢቱ።
ስራሕ ክብረት’ዩ እዚ ወደይ። ኣቦኻ ንዓኹም ከዕቢ እንታይ ዘይሰርሔ። ድሓር ከኣ ጥዕና
የብሉን። ትርእዮዶ የለኻን ይሓምም።
ቻው!
መርሓባ!
ከመይ ኣለኻ?
ኣይክትመጽእን ኢኻ?
እወ።
ድሓን’ምበኣር። ካልእ መዓልቲ ትመጽኣና፣ ቻው።
Scene 157
ሰሚዕኪ ኣደ ኣምና?
ኣሃ?
ኖራይ በዓል ውዕለትና’ዩ፣ ከመይ ጌርና ክንከልኦ? ኣላዪና ክንሱ ክንከልኦ ኣይንኽእልን ኢና።
Scene 220
ርኢኺ ኣደ ኣምና?
ኣሃ?
ብኣኹም ኣይሓተተኒን።
ኣነ እንተኸድኩኸ?
Scene 234
ኣብ’ዚ ዳንጋይ’ዩ ዘሕምመኒ ዘሎ። ድርዝ ኣብልለይ። እዛ ሽመት ክንደይ ትፈትውያ ኢኺ!
ሕጂ ከኣ ናይ ገዛውቲ ኮሚቴ ኰንኪ? ኣነ ንበይነይ ገዛ እሕሉ ኣለኹ።
ንዋዘየኪ ኢና ዘለና።
ስምዕኒ’ባ ኣሞ?
ኣሃ?
ጀሚላ መዓስ ጓና ኰንኪ? መሓዛይ ኢኺ። ብንእሽቶኺ ረቢ ዓባይ ገይሩ ፈጢሩኪ! እንታይ
ኢኺ ሰሚዕኪ?
ባዕሉ የጸብቆ!
Scene 124
ምስ ቦርሳኺ ኣሎ።
ሰላም ውዓሉ!
ብሰላም ተመለሲ።
Scene 241
ንዓኻ ኣጓንዮም ኣበይ’ዮም ክበጽሑ? ሳብሪን ኣቕሓ ኣይኮነትን። ኣነን ንስኻን ከይፈተና
ኣይትምርዖን’ያ።
ንዓኺ ከየማኸሩ!? ጸወታ ኢዩ’ዚ። ኖራይ ኣብ ክንዲ ኣቦን ኣደን ኮይኑ ይውድኦ ኣሎ።
ረቢ ይሓግዝ!
Scene 250
Scene 445
ንሳስ ብሰላም ትገላገል! ዘብክየኒ ዘሎ ናተይ ኢዩ። ካብ’ዚ ጸገመይ መዓስ ክገላገል’የ?
ኣብ እንዳ ሓወ’ቦኺ ጃብር እንተትጸንሒ። ዘብዘብ እናበልኪ መጺእኪ። ስቕ በሊ
ኣይትብከዪ። (? ? ?)
Scene 154
ባኒ ኣሎኪ እንዶ።
Scene 154
Scene 159
ተዳሊኺዶ ሳምያ ጓለይ?
ኣየኖት ቁልዑ?
ኣሃ?
Scene 149
ድሓን ዲኻ መንሱር?
እንታይ ድሓን ኣሎ ምስ’ዞም ታዕባናት።
እንታይ ኢዩ ንሱ?
150 ናቕፋ።
150 ጃሎን ማይ ኣስትያትካ? ድሓን፡ ናይ ዕቁበይ 100 ናቕፋ ክህበካ’የ። እተን 50 ከኣ ሰሪሔ
እህበክም በሎም። (? ? ?)
ኣሰኪፈኪ ማማ።
Scene 264
ብኸመይ?
ካብ መልሓስ ዝገድድ እንታይ ኣሎ? መልሓስ ዓጽሚ የብላን፡ ግን ዓጽሚ ትሰብር። ሓወ’ቦይ
ሮመዳን ከኣ ደንጕዩ። ነቲ ዋና ጋራጅ ኣይነገሮን ማለት ድዩ?
Scene 232
ክበጽሕኦ ከይደን’ምበኣር።
ናበይ ነቒልኩም?
ንመስጊድ፣ ክሰግድ።
ሕራይ።
እወ።
Scene 277
ኣሃ?
Scene 78
ከመይ ኣለኹም?
መርሓባ!
ኢድካ ተሓጸብ።
ማማ፡ እዚ እንታይ ጸብሑ ኢዩ? እቲ ኣቦይ ጃብር ዘምጸኦ ወጠጦ ኣበይ ኣሎ?
እወ።
ሕማቕ ጌርካ። ንቈልዓ ኣርኢኻ ኣይትኽላእ። ቡኮታት ረቢ ባዕሉ ኣለዎ። ቈልዓ ስጋን ጸባን
እንተዘይበሊዑ ኣብ ትምህርቲ ይሓምቕ’ዩ ይብሉ ሊቃውንቲ። (? ? ?) እንተዘይረኺቡ
Scene 165
ኣኽሲራቶ።
ማሽአላሕ በል።
Scene 285
ያእ!
ሕራይ።
Scene 78
ምሳሕ እንዳ ኣዳላ ከየረጋገጽኩ ምሳሕ ሳልም ተሓሲመ። እቲ ወጠጦ ኣብ መእሰሪኡ የለን።
ተሓሪዱ ኢዩ ዝኸውን። ፍሪጅ ስለዘይብሎም ብዙሕ ስጋ ኣብሲሎም ይኾኑ። ሰላም እንዳ
ኣዳላ!
Scene 163
ሳብሪን!
ኣቤት ኣደ!
ኣቦይ መርከ! (? ? ?)
ኣሃ?
ኣ! ገንዘብ ሓደራ ኢዩ። ንኻልእ ስለዘይኣምኑ ልኢኾምኒ። ካልእ ዝወደቐ ከይህሉ ርኣዪ።
ድሓን ሕደሩ!
ዶብ ዘይብሉ ስስዐ!
Scene 18
ኣቦ፣ ኣነ ዘይከይድ?
ግደፍዮ ይኺድ።
Scene 59
ኣደ ኣምና?
ኣሆይ! (? ? ?) ኣቤት
ኣሃ?
ኖራይን ጃብርን ሮመዳንን ይመጽኡና ኣለዉ። ኖራይ ደልየኩም ኣለኹ ካብ ዝብል ሰሙን
ኣሕሊፉ ኣሎ።
ረቢ ዝሓሰቦ ኢዩ ክኸውን።
Scene 31
መዓልኩም ሰብ-ቤት!
እተዉ!
ሰላማት ኖራይ!
እተዉ።
መርሓባ ጃብር!
መርሓባ!
ከመይ ኣለኹም?
ኣልሓምዱሊላህ!
ብንየው!?
እወ።
ገዛ እተው።
ዋዛ ኢዩ’ምበር ሓቅኻ።
እተዉ!
Scene 33
ኢልኩም?
ሰላማት!
መርሓባ!
ሓወቦይ ጃብር!
ቻው ሓወቦይ ጃብር።
ንሱስ እወ ርኢናዮ።
Scene 36
ሃለው! መርሓባ! ኣሃ? መኪና? ንዓዲ ትኸይድ መኪና? መዓስ? ሕጂ? ሕጂ፣ ሕጂ? ሓውኻ
ተዓዊቱ ኣይትብለኒን!
ፍርቂ ሰዓት ክጽበየኒ ይኽእልዶ? ኣሃ? ተሃዊኹ ኣሎ? ሕራይ፣ ሕራይ! ኣነ ሕጂ ንዓዲ
ትኸይድ መኪና ረኺበ ኣለኹ። ጉዳይና ካልእ መዓልቲ ንግበሮ።
ድሕሪ ሳልስቲ ንዕዳጋ ጥሪት ክብል ክመጽእ እየ። ሽዑ ሮመዳን ኣብ ዘለዎ ጉዳይና ንገብር።
ኣነ ሕጂ ክኸይድ ኣፍቅዱለይ።
ብዘይ ሃገር፡ ብዘይ መሬት ኣይንበርን’ዩ። ብዘይ ምይይጥ፡ ብዘይ ምኽሪ ኣይንበርን’ዩ
ከምዘይተባህለ ሰብኡት ጸጊቦም።
መርሓባ ጃብር!
መርሓባ!
መርሓባ!
መርሓባ!
ሰላምዶ ኣለኹም?
በዚ ኮፍ በል።
ኣ!?
እዛ ሳብሪን ጓለይ?
እወ!
እሞ ንስኻ ባሪኽካሎም?
ኣነ ኣይባረኽኩ ኣይመረቕኩ።
ኣየናይ ወደይ?
Scene 72
ኣደ!
ኣሃ?
ነብሰ-ጾር ኢያ ዘላ።
Scene 34B
ሰልማ ሓፍተይ!
መንሱራይ!
ሃቢ እታ ሪሞት።
ተኣለዪ እስከ!
ኪዲ ተኣለዪ!
ገዛኹም ንገድፈልኩም!
ኪድ ጥፋእ። ስቕ በሊ እዛ ጓለይ።
Scene 81
ንምንታይ ኩሉ በይንኹም ትውድኡዎ? ከም ወላዲት ኣብ ሕጸ ጓለይ ኣይሕተትን?
እንታይ`ዩ ቅድመ-ኩነትኪ?
መንሱራ ነዚ ትሩፍ ወድኺ ከመይ ኢሎም ይህቡና። መንሱራ ኩሉ ዝምነያ ኢያ። ወድኺ
ከኣ ኣቦኡን ኣዴኡን ዝቐበዎ ጥፉእ ኢዩ።
ንሱ ድኣ ሓቅኺ። ግና …
Scene 82
ንምንታይ’ዩ ኩሉ ግዜ ዝንዕቀኒ?
በዚ ኣይትሻቐል። “ሕሱር የሕስረካ መጠን ነብሱ፣ ክቡር የኽብረካ መጠን ነብሱ” ኢዩ ነገሩ።
ኣነ ብዘረባ ኣንስቲ እምራሕ? ሓንጎል የብለይን ድየ? ኣብ ርእሲ ሕማምኪ ሕማም ኮይነኪ!
ሓወቦይ ኖራይ ግን ክርእየኒ ኢዩ።
Scene 29A
ብሽክሌታኺኸ?
Scene 11
ሃብኒ።
ሃለው ኖራይ! ከመይ ኣለኻ? ንሕና ብጽቡቕ በጺሕና። ክንድውለልኩም እናበልና። ክመጽእ
ኢልካ? መርሓባ! እጽበየካ ኣለኹ። ቻው!
ጽቡቕ፣ ጽቡቕ!
Scene 151
ሄሎ ሜሮን!
ቸንቶ! ቸንቶ!
መጻእኩ።
Scene 12C
ከም’ቲ ኩሉ ግዜ ንገብሮ!
ከመይ ማለት?
ሕራይ!
Scene 148
Scene 63
ገመድኪኸ?
ሕራይ!
ነጁ!
ገዛ እውልውል ነይረ።
Scene 53
ሃቢ እቲ ገመድ! ጓል መን ኢኺ ንስኺ?
ኣነ ጓል ሳልም እየ?
ንስኺኸ?
ጓል ኣዳላ!
ንስኺኸ?
ኣነ ጓል ዓንዶም’የ።
Scene 122
Scene 99
መርሓባ ኣዳላ!
መርሓባ ዓንዶም! ከመይ ኣለኻ?
እንታይ ድኣ ኣብ ሕጸ ዘይዓደምኩምና?
Scene ?
ሻም ሙሽ ቸንቶ ኣለቂሑካ?
Scene 73
ጃብር!
ኣሃ?
ከምኡ ይሓይሽ?
እወ!
መርሓባ!
ቻው!
Scene 203
መርሓባ!
ኣ?
እዕድሞ! ብወግዒ’ምበር።
ንስኻትኩም ኣሕዋት ትዋሰቡ። ኣሕዋት እንድሕሪ ተባኢሶም ዝዓርቆም የለን። (? ? ?)
Scene 221
ሰላማት!
መርሓባ!
ንስኻ ብሰላም እቶ። ኣነ ድሕሪ ኣኼባ ንጀማል ክረኽቦ እየ። ብቴለፎን ሓቢሩኒ። (? ? ?)
ጓል መን ድኣ ኮይና?
ምስ ጀማል ኣይተባእሰኒ። እታ ዘላ ካብ ጀማል ርኸባ።
ረሲዔልካ’ባ…
ኣሃ?
Scene 166
ጠፊኤ ድየ ነይረ?
ዘረባ?
እወ ዘረባ።
Scene 193
“ከመይ ኣለኺ ጀሚላ” እንተዝብላ እንታይ ምጐደለኒ? እንቋዕ ሰላም ኣይበልኩዋ። ኣብ
ጥራይ ጁባይ እንታይ ክብላ? እንታይ ምግባር ይሓይሽ? ረቢ ጥዕና እንተሂቡኒ ሰሪሔ
ክህብትም’የ። ፍቅሪ’ውን ምስ ገንዘብ’ዩ ጥዑም።
Scene 206
ጃብር ንኖራይ ሰይቲ ሙኒር ወድኻ ምሳይ ኣላ ኢሉዎ። ኖራይ ከኣ ንጓል ጃብር ነጺጉ ንኖሪት
ሃቡኒ ኢሉና። ንሕና ከኣ ሂብናዮ።
እንታይ ኮይኑ?
ረቢ ይቕረ ይበለልና! ንጃብር ሕሉፉ ረሲዕናዮ። እዚ ገንዘብ ኖራይ መሰረቱ ካብ ጃብር ኢዩ።
ጃብር ልቡ ጻዕዳ ኢዩ።
ጃብር ካብ ቀዳመይቲ ሰበይቲ ዝውለድ ዓቢ ሓውና ኢዩ። ኣቦይ ቅድሚ ምማቱ ብርኩ
ኣውጺኡዎ ነይሩ። ንዓይን ንኖራይን ከኣ ንሱ ኢዩ ኣቦ ኮይኑ ኣዕብዩና። ደርጊ ኢዶም
ኣይስኣኑ ንዓይ ምስ ኣሰሩኒ፣ ኖራይ’ውን ከይእሰር ጃብር ኣግማሉ ሸይጡ’ዩ ንስዑድያ
ሰዲዱዎ።
ኣነ ኖራይ ባዕሉ ዘጥረዮ ገንዘብ’ዩ እብል ነይረ። ከምኡ እንተኾይኑ ጃብር ጌጋ የብሉን። እቲ
ጌጋ ናታትኩም ኢዩ። ሕጂ’ውን ኣሕዋት ሓዊስኩም ተዓረቑ።
Scene 207
ንክልቴኹም።
ወዲ ሰበይቲ!
Scene 133
ሳብሪን ሓፍተይ መርዓት ኣይኮነትን። ካበይ ኣምጺእክዩ’ዚ ዘረባ? በዓል ኣደይ ምስጢር
ሒዘንኦ ኣለዋ።
መንሱር እቲ ዕዋላ?
Scene 65
ብድሕሪኡኸ?
ስቕ በሊ! ወረኛ!
Scene 147
ሃለው! መን ክብል?
Scene 1
- ኖኖ፡ ከምኡ ኣይትበል፣ ዝኾነ ነገር ዕድልን ጽሕፍቶን’ዩ። ድሓር ድማ ኣቦኻ ሓግዘኒ
ስለዝበለካን ስለዝሓገዝካዮን እንዲኹም ሎሚ ዱኳንኩም ዓሚሩልኩም ዘሎ።
ዘጣዕስ የብልካን።
- ድኳን ኣዘኪርክኒ። ሕጂ’ውን ጠንጢነዮ እየ መጺኤ ዘለኹ። እቶም ዓማዊል ናብ
ካልእ ከይከዱኒ?
- ድሓን፡ ምስ ኣዕለልና ኣነ’ውን ገዛይ ብዝእረም መጽሓፍቲ ቅጽጽ ኢሉ ኣሎ።
(? ? ?) ጥራውዝቲ
- ረሲዔልካ ጀማል ሓወይ፡ ንዓመት ነጃት ሓፍተይ ዝኸውን ቶርታ ከስርሕ ሓሲበ’ሞ
ኣብ ኳንኩም ስፐዛ ይህሉዶ ይኸውን! ርኣለይ እስከ።
- ጸገም የለን፣ ቁጽሪ ስልክኺ ሃብኒ’ሞ ባዕለይ ኣዳልየ ክድወለልኪ’የ።
- ሕራይ።
- ናትካ’ያ ሙሽ?
- እወ።
- የቐንየለይ!
- በቃ ድሃይ ኣይተጥፍኢ።
- ናድያ፡ ሳብሪን ትንኣስ ትዕበ ኣብ ልበይ የላን። ኣብ ልበይ ዘለኺ ንስኺ ኢኺ። ሕጂ
ድማ ናትኪ ርእይቶ ክምሰምዕ እደሊ ኣለኹ።
- እሞ ኣነ ክነግረካ?
- ሕራይ፡ ሕራይ።
- Scene 95
- ሃለው ዓብደልዓዚዝ!
- ሃለው ጀማል!
- ከመይ ውዒልካ?
- ኣዳሊኻለይዶ?
- እወ፣ እወ።
- የቐንየለይ!
- Scene 32
- ኣሃ! ጀማል እንታይ ድኣ ሎም-ቅነስ ብእግሪ ኮለል ትብል ኣለኻ? መኪና ገና
ኣይተዓረየትን ድያ?
- ረቢ ካልእ መኪና ይፍጠረልና በል። እዛ መኪና’ዚኣ በሊዓቶ ዘላ ገንዘብ ካልእ መኪና
ከግዝእ ዝኽእል’ዩ። ኣቦይ ግን ክሰምዓና ኣይክኣለን።
- ሓቅኻ፣ መኪና ናብ ጋራጅ ምምልላስ እንተ’ብዚሓ ክትሸጣ ጥራይ’ዩ ዘለካ።
- ፍርሒ የለን።
- Scene 333
- ድሕሪ’ቲ ኣነን ንስኻን ዝተዘራረብናሉ ግዜ ንስኻን ናድያን ተራኺብኩምዶ
ትፈልጡ?
- እወ፣ ተራኺብና ኔርና።
- ኣነ ክነግረካ፡ ንነብስኻን ንናድያን ትቅሽሽ ዘለኻ ኮይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። ኣቦይ ኖራይከ
ንምንታይ ጸዊዑና?
- እንድዒ! እንታይ ፈሊጠ ኣነ።
- Scene ?
- ሕጂ ጀማል፡ ብሓቂ ንሳብሪን ጓል ኣቦኻ ኣዳላ ክትሕጸ ኢኻ?
- እንታይ ቅድመ-ኩነቱ’ዩ?
- ሕራይ።
- ማሽኣላ!
- ሽዑ ምስ መጻእካ ትርእዮ።
- Scene ?
- ኣነ ዝፈርሕ ዘለኹ፡ ኣቦይ እቲ ኩሉ ንመርዓ ኢሉ ዝጓርተሎም ዝነበረ ኣቚሑ
እንተመሊሶምሉ ክሓምም’ዩ።
- ንምንታይ ይሓምም? መርዓ እንተፈሺሉን ንብረቱ እንተተመሊሱሉን እንታይ
ክሳራ ኣለዎ?
- ኣቦይ ክሳብ ሕጂ ተስፋ ኣይቆረጸን። ኣነ ንሳብሪን ምእንቲ ክምርዖ ንመንሱራ
ሓፍተይ ክህቦም ይሓስብ ኣሎ።
- ናይ ኣቦኻ ንበይኑ’ዩ።
- Scene 127
- ወላሂ ዓብደልዓዚዝ ሓወይ፡ ኣነ ካባኻ ዝሓብኦ የብለይን። ኣቦይ ንጓል ኣቦይ ኣዳላ
ከመርዕወኒ ዝሓስብ ድቃስ ስኢኑ ኣሎ።
- ድሓን ጀማል፡ ንስኻ ጥራይ ኣብ ሓሳባትን ሻቅሎትን ኣይትእቶ። ኣብ መጠረሽታ
ድማ ካብ’ዚ ክልተ ግንባራት ሓዲኡ ክዕወት’ዩ።
- ንሕና ግን ናትና ዓወት ጥራይ’ዩ ዘገድሰና።
- ብኸመይ?
- እንታይ ከማኽር!
- ናይ ኣቦኻ እንድዒ ምርዳእ ኣብዩና ኣሎ። ድሓን ንስኻ ብዙሕ ኣይትሻቐል። ነፍሲ-
ወከፍና ዐዕድሉን ጸጽሕፍቱኡን’ዩ ዘልዕል። ዘይጽሕፍቶኻ ድማ ኣይትመጽኣካን’ያ።
- ሓቅኻ ኣለኻ። ንኣቦይ ረቢ ናብ ጽቡቕ ይምለሶ ጥራይ በል።
- ይኣኽለናዶ? ንኺድ።
- Scene 104
- ዘገርም’ዩ! ንስኹም ሓደ ዓይነት ጽማቕ ጠሊብኩም። እዚ ፍልልይ
ኣይጠቕመናን’ዩ።
- ትቐንእ ኣለኻ።
- ብመን ኣታ?
- ብናድያ።
- መርሓባ!
- መርሓባ!
- እንታይ ትሰትዪ?
- ኖኖ፣ በቃ!
- Scene ?
- ናዱ ሓፍተይ፡ እዚ ኩሉ ሓደ’ዩ። እንታይ ክንጠልብ ይሕሸና?
- ንዓይ’ውን ንሱ ይሕሸኒ።
- ናይ’ዚ ንእንዳ ኣቦኻ ኣዳላ ንወስዶ ዘሎና ስፐዛ። ድኳን ዋላ ባዕልኻ እንተወሰድካሉ
ሕሳቡ ኣብ ካሳ ክኣቱ ኣለዎ ጀማል ወደይ።
- ኣቦይ ኣይትርስዕን ኰንካ’ምበር ኣነስ ኩሉ ግዜ እየ ዝርሰዖ።
- በቃ ከይደ።
- ኖኖ! እንታይ ትብል ኣለኻ ጃብር! ንዓይ ኩልኹም ሓደ ኢኹም ትብጽሑኒ። ድሓር
እዚ ኖራይ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ሳላኻ ምዃኑ ባዕሉ ኣዳላ ነጊሩኒ’ዩ።
- ከምኡ ኢሉካ’ምበኣር። ኣዳላ ምስኪንዩ፣ ዝገበርኩሉ’ውን ኣይርስዖን’ዩ። ግን
ብኖራይ ይምራሕ ኮይኑ። ኖራይ ድማ ከጽድፎ’ዩ።
- ንዓይ’ውን ኣዳላ’ዩ ኣብ’ቲ ሕጸ ዓዲሙኒ ዝነበረ። ግን ኣይጥዓመንን።
- ከመይ?
- ከመይ ድኣ!
- ኣጆኺ! ሕጂ ኣነ ከዐውተኪ’የ።
Scene 401
- Scene 420
- ጀማል፣ ከም’ቲ ዝበልኩካ ግበር። ኣነ ናብ ኣቁርደት ክገይሽ’የ።
- ኣብ ኣቚርደት እንታይ ኣሎካ፣ ድሓን?
- ድሓን’ዩ፣ መርዓ’ዩ።
- መርዓ ኢልካ? ቅድሚ ሕጂ ሙሽ መርዓ ኣለኒ ኢልካ ናብ ተሰነይ ኬድካ ኔርካ?
- በዚ ትግረም እንተሃሊኻ ዝመጽእ ሰሙን’ውን ኣብ ባጽዕ መርዓ ኣለና።
- ንስኹም ኣብ ክንደይ ቦታ ኢኩም ዘለኹም?
- ንሕና መውስቦና ሰፊሕ’ዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኩሉ ኣለና። ከማኹም ኣብ
ውሻጠናን ጎዶቦናን ሕጹራት ኣይኮንናን።
- ሓቕካ፣ እዚ ካብ ውሻጠ ዘይሓልፍ መውስቦ መወዳእትኡ ባእስን ግርጭትን ኣብ
መንጎ ኣሕዋት ይኸውን’ዩ።
- ሕጂ ጀማል፡ ዕርክነትይን ዕርክነትካን ክድልድል እንተኾይኑ ነዛ ናድያ ሓዲኡ
ኣፍልጣ። ዘርሞ-ዘርሞ ኣይትግደፋ።
- እንታይ ኮይና ዘርሞ-ዘርሞ ትኸውን? ዘረባኻ ይርድኣኒ የለን ዓብደልዓዚዝ።
- እወ፡ ናድያ ንዓኻ እናተጸበየት ካብ ክንደይ ምሁራንን ሃብታማትን ተሪፋ ኣላ፣ ንስኻ
ግን…
- ንስኻ ግን? እንታይ ክትብል ደሊኻ ዓብደልዓዚዝ? ሎሚ እንታይ ድኣ ሎሚ
ብዘይምጻእ መጺእካ? ዝሓለፈ ዕርክነትካ ከመይ ጌርካ ትርሰዖ።
- ኣነ ንዝሓለፈ ዕርክነትናን ሕውነትናን ኣይረሰዓኩዎን። ግን ከኣ ኣብ መጠረሽታ ሰብ
ናብ ሰቡ’ዩ ዝጽጋዕ። ኣብ መወዳእታ ንሓፍተይ ክጣበቐላ ባህርያዊ’ዩ።
- ንሓፍተይ ኢልካ? ድሓን፣ ሰሚዔካ ኣለኹ። ክንዲ ሓውን ዓርክን ዝነበርካ
ዓብደልዓዚዝ ኣጓኒኻኒ! ካባይ ንናድያ ኣቕሪብካ?!
- ሓቂ እንተደሊኻ ናድያ ሓፍተይ’ያ። ኣብ መንጎ ተንጠልጢላ ክትነብር ከኣ
ኣይደልን’የ።
- ክትፈልጥ ኣነ ብዘይ ናድያ፡ ንሳ ድማ በዘይ ጀማል ሂወት የብልናን። ሕጂ ድማ
ድሓን፣ እዚ ቃል’ዚ ካባኻ ኣይተጸበኹዎን ዓብደልዓዚዝ።
- ጀማል ኣይትሕረቕ። ክትሓርቕ ኢለ ኣይኮንኩን ዝዛረበካ ዘለኹ። ክተሓስበሉ
ኢለ’የ። ሕጂ ግደፎ፣ ንስተ ጥራይ፡
- Scene 421
- ኣነ ኩሉ ግዜ እየ ክሓትተካ ዝደሊ። ናትኩም ጉዳይ የተሓሳስበኒ ኣሎ። ስለምንታይ
ኢኹም ኣብ ሓድሕድኩም ትሕጸሩ? ስለምንታይ ምስ ካልእ ቀቢላ ዘይትዋሰቡ?
- መውስቦ ምስ ካልእ ቀቢላ ሕጂ ኣነ ክፍልሞ’የ።
- እወ፣ ሰብ ብኸምኡ’ዩ ምስ ሰብ ዝተሓዋወስን መውስቦኡ ድማ ዝስፍሕን።
- እዚታት ክሳብ ሕጂ ኣባና ኣይነበረን። ዝያዳ ድማ ኣቦይ ካብ ዓንኬል ቤተሰቡ
ከይንወጽእ’ዩ ዝጽዕር። እዚ ግን ውጽኢቱ ባእስን ቅርሕንትን ኣብ መንጎ ኣዝማድ
ኮይኑ።
- እቲ ባእሲኸ እንታይ ኣምጽኦ?
- ንሕና ከም’ቲ እትፈልጦ መውስቦና ደቂ ሓወ’ኣቦይ፡ ኣኮይ፡ ሓትነይ፡ ኣሞይ እናበልና
ኢና ንቕጽሎ። እዚ ድማ ነቶም ክልተ ኣሕዋት ክንዲ ኣሕዋት ሓማውቲ
ይገብሮም። ኣብ መንጎ ሓማውቲ ግጭት ክልዓል ድማ ባህርያዊ’ዩ። (? ? ?)
ኣሕማ
- እሞ ንስኻትኩም ገና ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ኢኹም ትነብሩ ዘለኹም።
- እወ፣ ጸቢብ እንተበሉኻኸ! ጸቢብ ምስ ግርጭቱ’ምበር!
- እዚ ግን ጽቡቕ ኣይኮነን ጀማል፣ መርዓ ድማ ዕድልን ጽሕፍቶን’ዩ። ነፍሲ-ወከፍ ሰብ
ድማ ምስ ዝፈትዎ ክዋሰብ ኣለዎ።
- ሓቅኻ። ኣነ ነዚ መርዓ’ዚ ከይኣተኹዎ ተማሂረሉ ኣለኹ።
- በቃ! ከም’ቲ ዝበልኩኻ ንስኻ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክትወስን ኣለካ።
- እንሸኣላ! (? ? ?)
- ሕጂ ይኣኽለና፣ ሰዓት ክንደይ ኮይኑ?
- በቃ ንኺድ።
- Scene 578
- ጀማል፡ እዚ ዕድመ’ዚ ናይ ዓብደልዓዚዝ ወዲ ናፍዕ’ዩ፣ ፈሊጥኩም ኣለኹም?
- ኖኖ! እዚ ዕድመ’ዚ ናይ’ዚ ሓድሽ ኣባል ማሕበርኩም መንሱር ወዲ ኣዳላ’ዩ።
- ንስኻ መንሱር ካብ መዓስ ወዲ ማሕበርና ኰንካ? መዓስ መጺእካኸ ትዕድመና
ኣለኻ?
- ተቃውሞ! ኣነ ቅድሚ ሕጂ ስለዘይዓደምኩኹም እዚ ዕድመ’ዚ ናይ ናድያ ጓል
ሳልም’ዩ።
- ኣነ’ውን ተቃውሞ! እዚ ዕድመ’ዚ ናባይ ግደፉዎ።
- ጀሚላ ንስኺኸ እንታይ ስቕ ኢልኪ! ገለ ዘይትብሊ?
- ኣነ’ውን ተቃውሞታት በዚሑ’ምበር ሓሳበይ መቕረብኩ።
- ሕጂ እንታይ ‘መስለኩም፡ እዚ ዕድመ’ዚ ስለዘይተሰማማዕናሉ ኣነን ጀማልን ሼር
ክንገብሮ ኢና። ኣብ መጻኢ ድማ ረሪጋና ንሕዝ። ከም እትፈልጡዎ በዓልቲ ቤተይ
ሓራስ ኮይና’ምበር ንሳ’ውን ኣባል ማሕበር’ያ። (? ? ?) ሼር
- በቃ! ከም’ዚ ዓብደልዓዚዝ ዝበሎ ንግበር። ንስኻ መንሱር ድማ ትማሊ ትማሊ
ስራሕ ጀሚርካ ከመይ ጌርካ ትዕድመና?
- ሳላኹም ዝተሳእነ የለን! ካብ ሎሚ ንድሓር ከማኹም ጥራይ ሕሰቡኒ። ንስኻትኩም
ኣብ ጎድነይ እንተዘይትኾኑ እንታይ ምኾንኩ። እዚ ዕድመ’ዚ ድማ ናይ ምስጋና
ኢዩ።
- ንሕና ሓውን ዓርክን ካብ ዝገብሮ ንላዕሊ እንታይ ጌርናልካ፡ ንስኻ ግን በዚ ዝርእየካ
ዘለኹ ሃብቲምካ ኣብ ሓጺር ግዜ ንጀማል ክትሓልፎ ኢኻ።
- እንቋዕ! ኣሰይ! ኣነ’ውን እዞም እንዳ ኣቦይ ኣዳላ ካብ’ዚ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ጸቢብ ገዛ
ተገላጊሎም ኣብ ገፊሕ ገዛ ክነብሩ ትምኒተይን ተሳፋይን’ዩ።
- ሕጂ’ውን በዚ ኣጋጣሚ’ዚዶ ብስራት ክነግረኩም?
- ኣቦይ ኣዳላ ተረኺቡ?
- ንዕኡ’ውን ረቢ ብሰላም ናብ ገዝኡ ይምለሶ! ግን እታ ብስራት ክነግረኩም፡- ካብ’ዛ
ንነብረላ ዘለና ጸባብ ገዛ ኣውጺኤ ገፋሕ ገዛ ክካረየሎም’የ።
- ዓሽ! ያሰላም!
- ኣብ’ቲ ካንቸሎኹም ድዩ ወይስ ኣብ ካልእ ቦታ?
- ኖኖ! ካንቸሎና ጸሊኤዮ እየ፣ ናብኡ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ኣቦይ ይርኣየኒ ኮይኑ። በቃ
ካብኡ ክንግዕዝ ወሲነ።
- ድሓን፣ ኣብ’ቲ መኻዚኖና ሓደ ሳሎን ኣሎ። ክሳብ ትገዝእ ንዑኡ ተጠቐም።
- ሕራይ፣ ሓው ዝገብሮ ጌርካ።
- እንታይ ጌርናልካ መንሱር።
- Scene 580
- ማሸኣላ ሎሚ ጽቡቕ ኣምሲና ኣሕዋት። ማሕበርና በርኪቱ። (? ? ?)
- ብኸመይ ከምኡ ኢልካ?
- ድሕሪ ሕጂ እንሸኣላ እዛ ቦታ’ዚኣ ብኣጋጣሚ መርዓ ጀማልን ናድያን ክንራኸበላ
እትምነ። (? ? ?)
- እንሸኣላ ዓብደልዓዚዝ ሓወይ፣ ረቢ ይቐበሎ ቃልካ።
- ንዓናኸ ዘይትትምነዩልና ድኣ።
- ግድን! ድሓር ንስኻ መንሱር ተሃዊኽካ ዘለኻ ትመስል። ንስኻትክንከ ኣይትዛረባን
ዲኽን? ኣፍ የብልክንን?
- ንሕና ጀማልን ዓብደልዓዚዝን ዝበልኩሞ ኩሉ ንሰማመዓሉ ኢና።
- ኣሃ! ጀማል በቃ ጀሚርኩም።
- Scene 582
- ዓንተቦይ እንታይ ትብላ ኔርክን? ንዓይከ ርእይቶይ ትቕበላኒዶ?
- መንሱር፡ ንስኻ ብቐዳምነት እንቋዕ ኣባል እዚ ማሕበርና ኮንካ! ንርእይቶኻ ድማ
ተሓጒስና ንቕበሎ።
- ቅድሚ ሕጂ’ውን ከም’ዚታት ብሓንሰብ ትድረሩን ትሕክዩን ኔርኩም በሉኒ? (? ? ?)
ተዕልሉ
- ንስኻ ኢኻ ጋሻ’ምበር ጀሚላ ድኣ ኣባል ማሕበርና እንድያ።
- ኣነ’ውን እንቋዕ ኣብ ማሕበርኩም ተጸምበርኩ! በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ረቢ ንኣቦይ
ብሰላም ናብ ገዝኡ ንኸምጽኣለይ ጸሎት ግበሩለይ።
- ኣነ’ውን ክነግረኩም ክብል ዘረባ ሒዝና፦ ጽባሕ ኣቦይ ሳልም መርዓ ስለዘለዎ
ክገይሽ’ዩ። ኣነ ድማ ንኣቦይ ኣዳላ ክደሊ ምስኡ ክገይሽ’የ።
- ጀማል፡ ድኳን ዓጺኻ ክትከይድ? ኣነ ክኸይድ።
- ብዛዕባ ድኳን ጸገም የለን፣ ዓብደልዓዚዝ ከጽንሖ’ዩ። ምስኡ ከይደ እሕግዞ። ድኳን
ኣብ ዘብሎ የብሉን። ንስኻ ግን ካባና ንላዕሊ ሓላፍነት ተሰኪምካ ኣለኻ።
- ሓቁ’ዩ ጀማል፣ ንስኻ ተሰኪምካዮ ዘሎኻ ሓላፍነት መን ተሰኪሙዎ ኣሎ!
- በቃ! ከምኡ እንተኾይኑ ረቢ ይሓግዝካ ጀማል ሓወይ! ኣነ ድማ ብቴለፎን
ክከታተለካ’የ።
- እሞ ንኺድዶ?
- Scene 461
- ኣቦኻ ካብ ጌግኡ ይመሃር እንተኾይኑ ክንርእዮ ኢና። ኣብሽር! መጺኤ ኣለኹ። ነቲ
ጉዳይ ብቐረባ ክንርእዮ ኢና። ቅሰን ጥራይ፣ ክመጽእ’የ። ነቲ ዝብሎ ዘሎ መርዓ
ኣይትንጸጎ። ግን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ከምዝፈሽል ኣይትጠራጠር። ዓብደልዓዚዝ’ውን
ክመጽኣካ ደውለሉ።
- Scene 405
- ኣሃ! ኣዋልድ እንታይ ትሰትያ?
- ዝጠለብኩምልና።
- ኣነ ኮካ ይሕሸኒ።
- ስድራ ከመይ ኣለዉ ናዱ? ንስኺ ክሳብ ሕጂ ናጻ ኢኺ ኔርኪ። ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ግን
ከም’ቲ ናይ ጀማል መግዛእቲ ይቀላቐለኪ ኣሎ ይብሃል ኣሎ።
- ኣቦይ ሓቁ ኣሎ፣ ኣይሓምዮን’የ። ስለዘኽብረኒ ‘ድሓን ድላያ ትግበር ይብል ነይሩ።
ሕጂ ግን በዚሑ።
- ኣቦይ ሳልም እንተዘይከውን ናድያ ቀደም ኣብ ሓደ መጸግዓ ነይሩ። ሕጂ ግን እቲ
ፍታሕ ኣብ ኢድ ጀማል ኣሎ። (? ? ?)
- ናድያ ሓቃ ኢያ። እቲ ጠንቂ ኣቦይ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጎድነይ ነይሩ። ሕጂ ግን ካብ
ናድያ ክፈልየኒ ይሓስብ ኣሎ።
- ሕጂ እንታይ ይሓይሽ ትብሊ ንስኺ? ርእይቶኺ ክንሰምዕ።
- ሕራይ፡ ኣነ ድሕሪ ደጊም ጀማል ላንጋ-ላንጋ ክኸውን የብሉን በሃሊት’የ። ከውስን
ኣለዎ በቃ።
- ብኸመይ?
- ምሳይ ድዩ ዘሎ ወይስ ኣቦኡ ንዝመረጸሉ ጓል ክምርዖ’ዩ? ነዚኣ የራጋግጸለይ።
- ጀማል ትሰምዓ ኣለኻ፣ መልስኻ እንታይ’ዩ?
- ኣነ ኣቦይ ንዝመረጸለይ ሰበይቲ ቅድሚ ሕጂ ኣይዓገብኩላን፡ ድሕሪ ሕጂ’ውን
ብድልየተይን ውሳነይን’የ ዝኸይድ።
- በቃ! ነዚኣ ኢና ንደሊ። ነፍሰ-ወከፍ ሰብ ባዕሉ ዕድሉ ክውስን ኣለዎ።
- ሎም-ቅነ ኣቦይ ሳልም እገዳ ገይሩልኪ ኣሎ ኢሎምና፣ ሓቂ ድዩ?
- ወላሂ ኣቦይ በቲ ኣቦይ ኖራይ ዝበሎ ስለዝሓረቐ’ዩ’ምበር ጸገም የብሉን። ድሓር ከኣ
ሓቁ’ዩ። ብሰንከይ ክብረቱ ተጋሂሱ’ዩ።
- ድሓን፣ ሕጂ ንዓይን ንጀሚላን መንጎኛታት እንዲኹም ጌርኩና፡ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ
እቲ ጉዳይ ክንጸር’ዩ። ድሓር ከም’ዚታት የጋጥም’ዩ። ንስኻትኩም ከም ቀደምኩም
ቀጽሉ። እንሸኣላ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ መርዓኹም ንርኢ ንኸውን። (? ? ?)
- እዚ ትብሉዎ ዘለኹም ሓቅኹም ኢኹም። ኣነ ድማ ኣብ መንጎ ወለደይን
ኣፍቃሪተይን ተቐርቂረ ኣለኹ። በዓል ኣቦይ ሮመዳን ይመጽኡ ኣለዉ፣ ንኣቦይ
ከረድኡዎ ክፍትኑ’ዮም።
- ኣቦኻ ጃብርከ ኣሎዶ? ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣይርእዮን ኣለኹ።
- ኣቦይ ጃብር ድሓን’ዩ። ቆጸራ ገይሩለይ’ውን ኣሎ።
- Scene 404
- ጀማል ኣብ’ዚ እዋናት’ዚ ተጨኒቑ ስለዘሎ ብዙሕ ኣይትሓዝሉ። ድሓር ብዘይካኺ
ዝጥምታ ካልእ ጓል-ኣንስተይቲ ስለዘየላ ብዛዕብኡ ኣይትሻቐሊ።
- እሞ ንሱ ጥራይ ድዩ ተጨኒቑ ዘሎ? ኣነኸ ጽቡቕ ኣለኹ ‘መስለኪ? ስድራይ ንዓኺ
ዝደልዩ በዚሖም፣ ሓዲኡ ግበሪ እናበሉ ምውጻእን ምእታውን ከሊኦምኒ ኣለዉ።
ካብ ኩሉ ዝገደደ ድማ ኣቦይን ኣቦይ ኖራይን ተባኢሶም ኣለዉ። በሰንኪ’ዚ ኣቦይ ኣብ
ጥቓ ጀማል ከይትቐርቢ ኢሉ ኣጠንቂቑኒ ኣሎ።
- እቲ ጸገም እዚ’ዩ። ኣቦኺ ንጀማል ካብ ምርካብ እንተኸልኪሉኪ ጸገም’ዩ።
- እዚታት’ዩ ኣዋጢሩኒ ዘሎ። ዘርሞ-ዘርሞ ኮይነ። ጀማል ከኣ ዘይወስን ኮይኑ ያዓኺ!
- ኣብሽርኪ! ኣብ መጠረሽታ ዝዕወት ትዕግስተኛ’ዩ። ንስኺ ድማ ዓቃል ኢኺ።
- እንድዒ…
- Scene 297
- ኣነ እንታይ ክገብር ኢልክኒ!
- እንታይ ፈሊጠ! ካብ’ዚ ዓዲ ህልም ንበል?
- ምህዳም ኣየዋጽእን’ዩ። ጸገማት ድማ ብህድማ ኣይፍትሑን’ዮም። ጸገምካ
ብትዕግስቲ ምስ እትገጥሞ’ዩ ኣብ ናይ መጠረሽታ ምዕራፉ ዝበጽሕ።
- እሞ እንታይ’ዩ እቲ ፍታሕ? ግድነት ገለ ክንገብር ኣለና’ምበር ናብ መደቦም
ይስሕቡና ኣለው።
- ንዓይ’ኳ እቲ ሓሲብናዮን ኣበጊስናዮን ዘለና ስልትታት ዝዕወት ኮይኑ ይስምዓኒ
ኣሎ። እንተዘይተዓዊቱ ድማ ብሕጊ ክንትፈትሖ ንኽእል ኢና።
- ጀማል፡ ላንጋ-ላንጋ ኣይትኹን። ዕድለይ ኣይትስበረለይ። እዚ ትብሎ ዘለኻ ሕጊ
ዝሰርሕ እንተኾይኑ ሎሚ ኣተግብሮ። ግዜ እንተሓሊፉ ትርጉም የብሉን።
- ከም እትፈልጥዮ ምስ ሃማደኤን ካልኦት ሕጊ ዝፈልጡ ሰባትን ተላዚበ ኣለኹ።
ንሳቶም ድማ ናባና ግደፎ ኢሎምኒ ኣለዉ።
- ኣክረም’ውን መጺኡ ነይሩ።
- ኣሃ! እምብኣር መጺኡ ነይሩ? እንታይ ኢሉኪ?
- ዝመጽኣሉ ዘሎ ምኽንያት መዓስ ጠፊኡካ ጀማል! ኣቦኡ ንኣቦይ ሓቲቱ ምሳይ
ክፋለጥ ድማ መጺኡ ነይሩ። (? ? ?)
- ሓቅኪ ኢኺ። እቲ ሃዋሁ ቅልጡፍ ስጉምትታት ክወስድ የገድደኒ ኣሎ።
- ንኺድ!
- Scene 558
- መድሃኒት ይወስድዶ ኣሎ?
- እወ፣ ካብ ቅድስቲ ማርያም ይወስድ ኣሎ። ሕማም ርእሱ እንተጀሚሩዎ ድማ
ቁርኣን ይሽምድድ።
- ምስኪናይ! ኣነ ከምኡ ይመስለኒ ኣይነበረን። ድሓር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጓነፎ
መግረፍትን ከዕልል ሰሚዔዮ’ውን ኣይፈልጥን። (? ? ?)
- ስርዓት ደርግ ንመን ዘየበሳበሰ! ኣቦይ ኣዳላ ስምብራቱ ንሰብ ኣይነገረሉን’ምበር
ቀሊል ኣይኮነን።
- እሞ ብዙሕ ተገሪፉ’ዩ በለኒ።
- እወ፣ ክዳኑ ኣብ ዘውጽኣሉ ግዜ ጥዕይቲ ኣካል ኢኻ ትስእነሉ። ካብ ኩሉ ተሸግሮ ዘላ
ድማ እዛ ኣብ ርእሱ ዘላ ማህረምቲ’ያ።
- ሓቁ’ዩ ምስኪናይ! ድሓር ምስቲ ዘጋጠሞ ጸቕጥታት ሃው ኢሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ
ከይዱ ኣሎ ማለት’ዩ።
- በዚ ብኣቦይ፡ በቲ ብኣቦይ ጃብር፡ በዚ ብኣሞይ ራየት፡ በቲ ድማ ብመንግስቲ
ተጨኒቑ።
- ሓቅኻ! ካብ ኩሉ ዝኸፍኤ ከም’ዚ ናይ ሕጂ ምጥፋእ’ዩ። ሰብ ኣበይ ከምዝኣተወ
እንተዘይተፈሊጡ ዘቕስን ኣይኮነን። ልዕሊ ኩሉ ዘሻቀለኒ ድማ ገመድ ሒዙ ከይዱ
ምስ ሰማዕኩ’ዩ።
- Scene 599
- ዓርከይ ጀማል፡ ሎሚ ሓድሽ ወረ ሒዘልካ መጺኤ ኣለኹ።
- ጽቡቕ ዜና ይግበሮ! እንታይ’ዩ?
- ጽቡቕ ዘይኮነ ሕማቕ ዜና’ዩ። ብሰንኪ ምዝሓልካ ናድያ ካብ ኢድካ ተምልጥ ኣላ።
ኣብ’ዘን ቀረባ መዓልታት ሓደ ህቡብን ሃብታምን ሰብ ሓቲቱላ ኣሎ።
- እዚ ንዓይ ሓድሽ ዜና ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ’ውን ዶክቶራትን ሃብታማትን
ሓቲቶምላ ነይሮም’ዮም። ኣነ ኣብ ናድያ እምነት ኣለኒ። ድሓር ከኣ ኣነ’ውን ፍቕርና
ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ቀሪበ ኣለኹ።
- ሓቅካ ኣለኻ። ናድያ ንዓኻ ክትብል ንክንደይ ሰብ ዝናን ምሁራትን ዘይኣበየት! ሕጂ
ግን ነቲ ካብ ስድርኣ ዝመጽኣ ዘሎ ጸቕጢ ክትጻወሮ ስለዘይትኽእል ካብ ወሳኔኦም
ትወጽእ ኣይመስለንን።
- ከመይ? እንታይ ሓድሽ ነገር ተረኺቡ? ሎሚ ጸገማተይ ኣብ ምዝዛም ምስ
በጽሐሔ ከመይ ገይራ ከም’ዚ ትገብር?
- በል ክነግረካ፡- ‘ወትሩ ድሓን፡ ሓደ መዓልቲ ዘይድሓን’ ይብሃል። ቀደም ኣቦኣ
ንበይኑ’ዩ ዝመልሶም ነይሩ፣ ሕጂ ግን እንዳ ኣቦኣን ኣዲኣን ብምልኦም ክሳተፉ’ዮም።
እቲ ዝደልያ ዘሎ ወዲ ድማ ከም’ቲ ናይ ቀደም ዘይትፈልጦን ካብ ወጻኢ ዝመጽኤን
ዘይኮነ ኣብ’ዚ ዝነበርን ኣሽሓት ጎርዞታት ዝጥምትኦን መንእሰይ’ዩ።
- እሞ እንታይ ክገብር ዓብደልዓዚዝ? ተዘሚተ! እንታይ ክገብር! ካብ ጓሂ ናብ ጓሂ!...
- ኣዝማድካ ሒዝካ ቀድሞም፣ ንሱ’ዩ እቲ ፍታሕ። ነዛ መዓልቲ’ዚኣ እንተኣሕሊፍካያ
ንስኻን ናድያን ኣብ ቀራና መንገዲ በጺሕኩም ማለት’ዩ።
- እሞ ኣቦይ ኩነታቱ ከም’ቲ ዝርኣኻዮ’ዩ። መን ሒዘ ክኸዶም?
- ዋላ ኣዝማድ ኣዴኻ ሒዝካ ኪዶም።
- ዓብደልዓዚዝ ከምዘይትፈልጥ ኣይትኹን። እንዳ ኣቦይን እንዳ ኣደይን ንርእሶም
ኣዝማድ ኢዮም። ንሓድሕዶም ዝተጠናነጉ’ዮም። መን’ዩ ንኣቦይ ረጊጹ ኣብ ጎድነይ
ክኸውን?
- ዓርከይ ጀማል፡ ኣነ ክነግረካ ጥራይ’የ ዝኽእል። ካብ’ዚ ንላዕሊ ዝገብሮ የብለይን። ነዚ
ክነግረካ’ውን ስርሔይ ገዲፈ’የ መጺኤካ። ሕጂ ኣነ ናብ ስርሔይ ክምለስ፣ ድሓር
ክድውለልካ’የ። እንታይ ከምዝገበርካ ነገረኒ። ቻው፣ ከይደ ድሓን ውዓል።
- Scene 461
- ኣነ እንታይ ከምዝገብር ኣይፈለጥኩን። በቃ ኣይትደንጒ ኣቦይ ሮመዳን። ኣቦይ
ንመርዓ ኣንቂዱ ኣሎ። ነዚ ዝብሃል ዘሎ መርዓ ከመይ ገይረ ክቕብሎ እኽእል?
ንዓብደልዓዚዝ ደዊለሉ ነይረ፣ ሕጂ’ውን ክድውለሉ’የ። ቻው፣ ቻው።
- ሃለው ዓብደልዓዚዝ! ብቕልጡፍ እደልየካ ኣለኹ። በታ መኪናኻ ምጻእ። እወ፣
ኣብ’ዚ ከባቢ ድኳን ኣለኹ። ሕራይ።
- Scene 498
- መርሓባ ኖራይ!
- ኣልግስ! ኣዒንትኻ ይንቆራ! ኖራይ ከኣ ይብለኒ ከም በዓል ውዕለተይ! ዝተቘጽረ
መርዓ ኣፍሺሉለይስ ኣይሓፍርን?! ድሓን ክንርኤኤ ኢና ኣታ ምሽሙሽ!
- ኣነ እንታይ በዲለ? ረቢ ሰላም ከሊኡኒ! ድሓን፣ ካብ ዝጸልኣኒ መዓስ ውሑድ ገይሩ።
- Scene 330
- እንታይ ድኣ ገዛ ጸሊእካ? ዓብደልዓዚዝከ? መኪንኡ ኣላዶ? መኪናኻ ጋራጅ እንድዩ
ኮይኑ ሰፈራ! ብሓንሰብ ገዛ ምጽኡና፣ ኣነ ሓሊፈ ኣለኹ።
- Scene 331
- ፈለማ ኣኼባና ረቢ ይባርኸልና! ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩኹም መውስቦኩም
ደልየ መጺኤ ኣለኹ።
- እንቋዕ ብድሓን መጻእካ! ንሕናን ንስኹምን ሓደስቲ መዋስብቲ ኣይኮንናን። ሕጂ
ከኣ መርሓባ!
- የቐንየልና! ንሕና’ውን ነዚ ስለዝፈለጥና ኢና መጺእናኩም። ምስ ኣክረም ወደይ
ኣብ ዝገበርናዮ ምርድዳእ ብዘይካ ናባኹም ናብ ካልእ ከይትኸደለይ’ዩ ኢሉኒ።
- ጽቡቕ ጌርኩም። ንስኹም’ውን ሰበይቲ ትኸልኡ ኣይኮንኩምን። ከም እትፈልጥዎ
ግን ኣብ’ዚ ዘበን’ዚ ሰብ ድልየት ደቁ ከይፈለጠ ኣብ ምሃብን ምኽላእን ይበጽሕ
የለን። ንጓልና ክነሓትት ቁሩብ ዕድል ሃቡና።
- ጽቡቕ ኣለኻ። ኣነ ግን ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ስለዝነበርኩ ዝተረዳዳእኩም
ይመስለኒ ነይሩ።
- ጽቡቕ ኣሎኻ።
- ሓቁ’ዩ፣ ከም’ዚ ሳልሕ ሓወይ ዝብሎ ዘሎ ኣክረም ካብ ዝመጽእ ውሑድ
ኣይገበረን። ድሕሪኡ ስለዘይተመለስኩምና ድማ ናብ ካልእ ዝኸድኩም መሲሉና
ነይሩ። ሕጂ ከኣ ጸገም የለን። ንጓልና ንሓትታ፣ ካልእ መዓልቲ ድማ መልሲ
ንህበኩም።
- ጽቡቕ ጌርኩም። ልዝብን ምርድዳእን ዝመስሎ የለን። ብምርድዳእ ዝኸውን ነገር
ድማ ኣይኸፍእን’ዩ። ንሕና ከኣ ከም’ዚ ዝተብሃልናዮ ካልእ መዓልቲ ንምለሰኩም።
- Scene 247
- ግዜ እንተለካ ነዚ ንጓልካ ዝደሊ ዝነበረ ወዲ ኢብራሂም ዘይንበጽሖ?
- ሰብ ክሳብ ዝጎድለልና’ምበር ክንበጽሖ ኢና።
- ሎሚ ምስ ዓብደልዓዚዝ ወደይ ሹቅ ከይዱ ነይሩ። ሕጂስ ተመሊሶም ይኾኑ፣
እንታይ’ዩ ርእይቶኻ?
- ጽቡቕ ኣለኻ፣ ንብጸሓዮ።
- ምብጻሕ ግቡእ’ዩ። ምስኡ’ውን ነዕልል።
- ጽቡቕ ኣለኻ። ንሕና ወዲ ኢብራሂም ምዃኑ ኢና ንፈልጥ’ምበር ብዙሕ ሌላ
የብልናን። ካብ’ዚ ንእሽቶ ከሎ’ዩ ዝኸደ። እዞም ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ገሊኦም
ዘይእዱባት’ዮም። ንዕኡ ግን ሕጂ ንርእዮ።
- እወ፣ ጽቡቕ ኣለኻ። እዞም ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ መንእሰያት ገሊኦም ናይ መስተን
ሓሺሽን ልምዲ ኣለዎም ይብሉዎም። ሓጥያት ከይኮነና ግን እዚ ብእዝንና ኢና
ሰሚዕናዮ’ምበር ብዓይንና ኣይርኣናዮን።
- ኖኖ፣ ነዚታትስ ኣይውዕሎን ይኸውን። ዶክተር እንድዩ ከኣ። ኣብ ርእሲኡ ድማ
ለባም’ዩ።
- ድሓን፣ ድሓን፣ ሕጂ ንበገስ። ንኺድ ጥራይ።
- Scene ?
- ሰብኣይ ዝርኣየ ኣሎ ድዩ? (? ? ?)
- Scene 376
- ስምዓኒ ናስር፡ እዞም እንዳ ኢብራሂም ሓደ ግዜ መጺኦምና ነይሮም። ግን
ኣይተመለሱናን። እንታይ ኮይኖም ይመስለካ?
- ኣይፈለጥካን ዲኻ? ነቲ ወዲ ኢብራሂም ጓልካ ብቐርና ተቐቢለቶ። ብመሰረቱ
መርዓ ኣይደልን ድማ ኢሉ።
- እንታይ ኢልካ?
- ብመሰረቱ መርዓ ኣይደልን’የ ኢሉ።
- እንታይ መዓቱ’ዩ? ነዛ ጓል’ዚኣ እንታይ ንግበራ? ሕጂኸ ካብ’ዚ ምሁርን ሃብታምን
ወዲ ንላዕሊ እንታይ ትደሊ ኣላ? ከም’ዚ እንተኢላ ብሓይሊ ኣብ ትሕቲኡ ነእትዋ።
- ብሓይሊ ዝግበር መውስቦ ትርጉም የብሉን። ኣዳላን ኖራይን ብሓይሊ ዝገበሩዎ
መርዓ እንታይ ኮይኑ ርኣዮ። ሳልም፡ እዛ ዘረባ እዚኣ ድሕሪ ሕጂ ኣይትድገማ።
- ሓቅኻ፣ ብግዲ ዝግበር መርዓ ሕማቕ’ዩ። ብዘይክኡ’ውን ኣብ መውስቦ ኣዝማድ
ዝኾነ ነገር ወይ ባእሲ እንተጋጢሙ፡ እቶም ኣዝማድ ብምሉኦም ኣብ ሓሸወየን
ቅርሕንትን ኢዮም ዝሽመሙ።
- ካብኡ ዝገደደ ኸኣ ብዘይድሌት ዝኸውን መርዓ ኣይትብልን። ሳልም ሓወይ፡ ኣብ’ዚ
ዘለናዮ መዋእል ንደቁ ብግዲ ዘመርዑ ወላዲ ኣሎ ትብል? (? ? ?)
- ኣሎ፣ ኣሎ! ኖራይ ኣሎ። ኖራይ ገና ኣብ ዘበነ ጥንቲ’ዩ ዝነብር ዘሎ።
- እቶም ክልተ ተጻመድቲ እንተኣብዮም እንታይ ግበሩ ይብሉዎም ኣለዉ? ጓል ኣዳላ
ናብ እንዳ ሓወ’ቦኣ ጃብር ሓኪላ’ምበር ናብ ርሑቕ ቦታ ከይዳ ነይራ እንተትኸውን
እንታይ ምገበሩ?
- Scene ?
- ኖራይ ሕጂ’ውን ካብ ዝሓለፈ ኣይምሃርን’ዩ። ኣይግድሶን’ዩ።
- እንታይ ክረክብ’ዩ ከምኡ ዝገብር?
- ዋላ ሓንቲ! ኣይሰምዕ፣ ምስ ሰብ ኣይላዘብ፣ ጸማም’ዩ። ብዘይካ ንሱ ዝበሎ ምኽሪ
ካልኦት ኣይሰምዕን’ዩ። ኣይትፈልጦን ዲኻ?
- እዚ ዝገብሮ ዘሎ ነውሪ’ዩ። ዒብ ክብል ኣለዎ። መርዓት እንተኣብያ እንታይ ግበሪ
ይብላ ኣሎ? ጀማል እንቋዕ ካብኣ ተገላገለ። ውርዙይ ሰብ’ዩ። (? ? ?)
- ጽቡቕ ኣለኻ፣ ጀማል ንፉዕ ወዲ’ዩ። ድሓር ከኣ ተገዲዱ’ምበር ካብ ቀደሙ ድሌቱ
ኣይነበረትን። ንእሽቶ ድማ’ያ። (? ? ?)
- ሳልም፡ 18 ዓመት ገይራ ኣላ። እንታይ ትብል ኣለኻ።
- ኣይትገብርን’ያ። 10 ይ ክፍሊ ተምሃር ኣላ። እንታይ ትብል ኣለኻ?
- እሞ ካብ ነጃት ጓልካ ብ 3 ዓመት ጥራይ’ያ ትዓቢ ማለት ድዩ?
- እወ፣ ንእሽቶ’ያ።
- ከምኡ እንተኾይኑ ሓቅኻ ኣለኻ። ስቕ ምባል ይሓይሽ።
- Scene ?
- እዚ ዓብደልዓዚዝ ወድና ኣብ’ዚ ፍሹል መርዓኦም ላዕልን ታሕትን ክብል ካብ መጠን
ንላዕሊ ተሓጋጊዙዎም’ዩ።
- እንታይ ትብል ኣለኻ! ንሱን ጀማልን ትክ-ትንፋስ ኣዕሩኽ እኮ’ዮም።
- ንሱስ ሓቅካኻ። ጀማል ጥዑይ ሰብ’ዩ።
- እቲ ካልእ ይጽንሓልና’ስከ፣ መጻኢ ናድያ ጓልካ እንታይ ይኸውን ኣሎ? ኣክረም
እንተገዲፉዋ መጻኢኣ ናበይ ከብል ኢዩ?
- ወላሂ ንናድያ ብዙሓት’ዮም ሓቲቶምላ። ግን ኣቕቢጸትና። እንታይ ከምንገብር
ኣይፈለጥናን። ሕጂ በጃኻ እንተሰሚዓትካ ምኸረልና ኢኻ።
- እዛ ጓል ኣፍቂራ ከይትህሉ? ኣዋልድ እንተኣፍቂረን ጽኑዓት’የን።
- ኣነስ ምስ’ዚ ንጓል ሓወ’ቦኡ ጸሊኡዋ ዘሎ ጀማል ፍቕሪ ሒዙዋ ከይከውን ጠርጢረያ
ኣለኹ።
- ዝምድና ከምዘለዎም ብኸመይ ፈሊጥካ?
- ብሞባይል ፈሊጠ። ኣብ ዝድውለላ ወይ ትድውለሉ እዋን ‘ጂሚ! ጂሚ! ስሙር!
እናተበሃሃሉ ካብ ዝስሕቁዎ ሰሓቕ ይርድኣካ’ዩ። ስምዓኒ፡ ‘ጂሚ’ ናይ ጀማል ናይ
ቅብጥሮት ሽም’ያ ሙሽ!
- ጽቡቕ ኣለኻ፣ ከምኡ እንተኾይኑ ኣረጋግጽ። ግዜ ኣይትውሰድ። ተፋቒሮም
እንተልዮም ብዘይ ውዓል-ሕደር ከምዝምርርዓዉ ጥራይ’ዩ።
- ሓቅኻ፣ ከምኡ እንተኾይኑ ባዕሎም መጺኦም ጓልኩም ሃቡና ክብሉ ኣለዎም’ምበር
ባዕለይ ከይደ ወድኹም ሃቡና ኣይብልን’የ፣ ዘይብሃል! ኖራይ ደቁ ንዘፍቀሩወን’ውን
መዋስብትና ኣይኮንኩም’ዩ ዝብሎም ከኣ’ባ ኢሎምኒ።
- ካብ መን በሊጹ’ዩ መዋስብትና ኢኹም ወይ ኣይኮንኩምን ዝብል? ካብ መን ይበልጹ
ኮይኖም’ዮምከ?
- ኖኖ! ኖራይ ደንቆሮ’ዩ። ጓል ንጉስ እንተዝረክብ’ውን ነዛ ቃል’ዚኣ ምደገመሎም።
ድሓር ኖራይ ገንዘብ ከውጽእ ኣይደልን’ዩ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ንደቂ ሓዉን ኣሕዋቱን
እናቀሸሸን መሰለን እናኸልአን እናዓመጸን’ዩ ዝዋሰብ ነሩ።
- ዓመጽ ሕማቕ ኢዩ። መወዳእትኡ ድማ ነቲ ዓማጺ’ዩ ዝሃሲ። ኔው በሎ! በየን
ዘኪርካልና?
- Scene 596
- ይቕረ! ይቕረ! ይቕረ በሉለይ!
- ኣዳላ ሓወይ ንስኻ’ሞ እንታይ ጌርካ፡ ኣነ’የ በዲለካ። ኣነ’የ ይቕሬታ ዝሓትተካ።
- ምስኪናይ ኣዳላ! እዛ ቃል’ዚኣ ወትሩ’ዩ ዝደጋግማ። ብዘይክኣ ካልእ ኣይብልን’ዩ።
- እተዉ፣ እተዉ።
- ይቕረ! ይቕረ! ይቕረ በሉለይ!
- መን ሽምካ?
- ድሓን ኣዳላ (? ? ?)
- ይቕረ! ይቕረ! ይቕረ በሉለይ!
- ኣዳላ ሳልሕ መሓመድ (? ? ?)
- ከም’ዚ ኣብ’ዚ ፋይሉ ዝርእዮ ዘለኹ ቅድሚ ሕጂ ማህረምቲ ርእሲ ነይሩዎ።
- እወ፣ ማህረምቲ ነይሩዎ። መድሃኒት’ውን ይሰውድ ነይሩ።
- ከምኡ’ውን ምስቲ ማህረምቲ ጸቕጢ ኣለዎ። ሕጂ ግን ምሳና ክጸንሕ’ዩ።
- ዶክተር፡ ኣብ ትሕቲ ረቢ በቲ ንስኹም ዝገበርኩምልና ዕጉባት ኢና። ካባና ዝድለ
እንተ’ሎ ድማ ንገሩና። ካብኡ እንበቆ የብልናን። ሕጂ’ውን ንሱ ዘይኮነ በዲሉና ንሕና
ኢና በዲልናዮ።
- ካባኹም ዝጥለብ ጸቕጢ ክትፈጥሩሉ የብልኩምን። ምሳና ምስ ጸንሔ ናብ ንቡር
ክምለስ’ዩ። ሕጂ ናብ’ታ መደቀሲ ክፍሉ ኣብጽሑዎ።
- ይቕረ! ይቕረ! ይቕረ በሉለይ!
- Scene 605
- እንታይ ድኣ ሎሚ ኣብ ገዛ ዘይጸናሕኩም?
- ድሓን፡ ጎረቤት ካብ ዝገብሮ ንላዕሊ መዓስ ጌርና። ንሕናን ኣዳላን ብሓንሰብ ደርጋ
30 ዓመታት ኢና ጌርና። ጉርብትና ከኣ ካብ ዝምድና ይዓቢ’ዩ።
- ወላሂ ንስኹምን ናፍዕ ሓውኻን ዓብደልዓዚዝ ወዱን ካብ ሓው ንላዕሊ ተገልግሉና
ኣለኹም። ንሕና ግን ክብሪ ኣይሃብናኩምን።
- እንታይ ትብል ኖራይ? እንታይ ምስ ኮንኩም ኢኹም ክብርና ዘይትፈልጡ? ንስኹም
ክብሪ ሰብ ትሕሉውን ፈረቓን!
- ይቕረ በለለይ ሳልም! በኣምሆይ ኣብ’ቲ ማሕበር ሕማቕ መሊሰልካ። ሽዑ ዳርጋ
ምስ ነብሰይ ኣይነበርኩን። (? ? ?) ኣኼባ? እኩብ ሰብ?
- እንታይ ትብል ኣለኻ? ኣነ ነዛ ቃል’ዚኣ ቀደም ረሲዔያ እየ። ይቕረ በለለይ
እንተኢልካ ድማ ይቕሬ ይኹንካ።
- ንሕና’ውን እንቋዕ ጎረቤት ኣቦይ ሳልም ኮንና! ንሕና እንዳ ዓሜካሊታት ኢና። ኣብ
ጸቢብ ዓንኬል ኢና ንነብር። ድሓር ድማ ሳላኩም እንድዩ ኣቦይ ዝተረኽበ? እምበር
ካብ ዓሜካሊታትሲ ኣይምተረኽበን።
- ንስኹም ካብ ቀቢላ ሜካል ኢኹም? ንኣቦይ ዝወለደት ዓባየይ ሜካል’ያ።
- ኣቦይ ሳልም፡ ሜካል ኣይኮነን። ዓሜካሊ እብለኩም ኣለኹ።
- ኣሃ! ዓሜካሊ? ኣነ ድኣ ሜካል ዝበልካ እንድዩ መሲሉኒ።
- ኣቱም ሰባት፡ ናብ’ቲ ዘምጽኣና ጉዳይ ዘይንኣቱ? ነቲ ሓውና ክንርኢ ንእቶ።
- Scene 607
- እንታይ ድኣ ደንጒዮም ዘይንርእዮም፡ (? ? ?)
- መንሱር፡ ኣዳላ መን’ዩ?
- ኣቦይ ከመይ ኣሎ?
- ኣቦኻ ተመሓይሹ።
- ግን ዓው-ዓው ኣየድልዮን’ዩ፣ ተጠንቀቑሉ ኢኹም። ሕጂ ንዑናይ ክትርእዩዎ።
- Scene 608
- ሃለው! ሎሚ ኣቦይ ንኣቦኺ ይቕሬታ ሓቲቱዎ ኣሎ። ሕጂ ድማ ምስ ዶክተር ናብ
ኣቦይ ኣዳላ ንኣቱ ኣለና። ድሓር ክድውለልኪ’የ። ቻው፣ ቻው!
- Scene 609
- ከመይ ውዒልኩም?
- ጽቡቕ መንሱር ወደይ!
- መርሓባ! ከመይ ኣለኻ?
- ተመሓይሽካ፣ ኣልሓምዱላህ እዚ’ውን ጸጋ ካብ ረቢ’ዩ።
- እንቋዕ ተራኸብና! መንሱር ወደይ፡ ኖራይ፡ ሳልም ከመይ ኣለኹም?
- ኣለልዩና! ሓውዩ ማሸኣላ! (? ? ?)
- ኣልሓምድላህ!
- Scene ? (እስብዳላየት ቅድስቲ ማርያም)
Scene 482
- Scene 487
- እንቋዕ መጻእኩም፣ ንዓኹም ኢና ክንጽበ ጸኒሕ።
- እዛ ጓል ዕድመኣ 16 ዓመት’ዩ ኢሎሞ። ሓቂ ድዩ?
- እወ ሰይድና። ብዕድመ ንእሽቶ’ያ፣ ብቑመት እንተርኢናያ ግን፡ ዓይኒ ኣባያ ይደፈን፡
እኽልቲ’ያ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ንኣዋልድና ኣብ’ዚ ዕድመ’ዚ ኢና ነመርዕወን ኔርና።
- ሕራይ። ዕድመኣ ትሕቲ 16 ዓመት ካብ ኮነ ትሕቲ ዕድመ’ያ ማለት’ዩ።
- ድሓን፣ ድሓን ሰይድና፣ ቃል-ኪዳን እስር እንተ’ቢልና ጸገም የለን። ምሳና ትዓቢ።
- ሕራይ፡ ዕድመኣ ንእሽቶ ምዃኑስ ነጊርካኒ ኣለኻ። ካብ ትምህርቲ ኣውጺእኩማ ከኣ
ሰሚዔ። ሓቂ ድዩ?
- እወ ሰይድና፣ ምስ ሓወይ ተረዳዲኤ ካብ ቤት-ትምህርቲ ኣውጺኤያ እየ፣ ሓቂ
ይሓይሽ።
- ቅድሚ ሕጂ ኣብያ ነይራ፣ ሕጂ ከኣ ንካልኣይ ግዜ ንመርዓ ትግድዱዋ ኣለኹም
ይብሃል። እዚኸ ሓቂ ድዩ?
- ሓቂ’ዩ። እቲ መርዓ’ቲ ብሰንኪ ሓሰውቲ’ዩ ፋሕ ኢሉ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መርዓ ግን
ጸገም የብላን።
- ናይ መውዳእታ ሕቶይ፡ መርመራ ኤች-ኣይ-ቪ ገይራዶ?
- ሰይድና እንታይ ትብሉ ኣለኹም?
- ሰይድና፡ ጓለይ ድልየት መርዓ የብላን። ናይ ኤች-ኣይ-ቪ መርመራ’ውን ኣይገበረትን።
- በቃ! እዛ ጓል’ዚኣ መርመራ ኤች-ኣይ-ቪ እንተዘይገይራ፡ ትሕቲ ዕድመ’ውን
ስለዝኾነት እዚ መርዓ’ዚ ቅቡል ኣይኮነን። ብሕጊ ክልኩል’ዩ።
- ረቢ ፍርሑ ሰይድና! እዚ ኩሉ ሺሻይ ኣፍሲስና ከመይ ገይሩ መርዓ ይፈሽል?
- Scene 489
- ስምዓኒ፡ ስቕ ኢልና ኣይንሓሱ። እዚ ሼክ ዳሊ ዝበሎ ሓቁ’ዩ።
- ሼክ ዳሊ እንተኸደ ዕዝር ይበል! ጠቢርና ቃል-ኪዳን ኣእስረልና ኣይንብሎን ኢና።
ካልእ ሼክ ክንጽውዕ ኢና። ንስኻትክን ጥራይ ተዓገሳና።
- ከመይ ጌርና ክንዕገስ ትደልዩ ኣለኹም? ኣብ ገበን ኣይንኣቱን ኢና። ስለምንታይ
ንሕጊ ዘይንምእዘዝ?
- ኣሃ! ንስኻትክን ዕንቅፋትክን በዚሑ። ሕጂ እንታይ ውሑድን ብዙሕን ትዛረቢ
ኣለኺ?
- ሼክ ዳሊ ዝበሎ ሓቂ’ዩ። ንጓልና ብዘይ ድልየታ ኣይነመርዕዋንን ኢና። ኣብ
ሓደጋ’ውን ኣይንኣቱን ኢና። ንሓውኹም ክተሐጉሱ ንጓለይ ብዘይ ድልየታ
ክተመርዕዉዋ?
- ጓልክን ንስኽን ነዚ መርዓ’ዚ እንተኣፍሺልክንኦ ክቐትለክን’የ።
- ኣነ ጓሉ! ተፈራርሑና ከኣ ኣለኹም? ኣብ ዓዲ ሕግን ስርዓትን ኢና’ኮ ዘለና። ስቕ
እንተበልናስ ኣብዚሕኩሞ!
- ንዓይ ንኣዳላ ሕጊ ክትምህርኒ ኣይትኽእልን ኢኺ።
- ኣውጽኡዎ!
- ኣይወጽእን’የ!
- ንስኻ ንሕጊ ኣይትምእዘዝን?
- ኣብ ጓለይ እንታይ ትእውዱኒ?
- ሓዝዎ! ሓዝዎ!
- ኣቦ!
- ኣልግሱ እብለኩም ኣለኹ! ኣልግሱለይ!
- መደበር ፖሊስ? ኣብ’ዚ ገዛውትና ጸገም ኣጓኒፉና ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ሓቢረ
ነይረ እየ። እወ፣ ቀልጥፉና። መርሓባ! መርሓባ!
- Scene 483
- በቃ! ኣንጺፍናዮ ኣለና፣ ተቐላጠፉ። ሰብ ኣብ ዳስ ስለዘሎ ድማ ናብ ዳስ ንኺድ።
- መንሱር ንዓ፣ እዚ ሼክ ዳሊ ደንጒዩ።
- ኣቦ፡ ሰዓት 10 ክመጽእ’የ ኢዩ ኢሉና። ገና ሰዓት ኣይኣኸለን።
- ሰዓተይ ጌና ኣላ ማለት’ዩ፣ ድሓን። (? ? ?) ቀልቲፋ ኣላ
- ኣዳላ፡ ሓንሳብ ደልየኩም ኣለኹ።
- ብምንታይ ደሊኽኒ? ዘረባኺ በዚሑ በቃ!
- እንታይ ደሊኽኒ ትብሉ ኣለኹም? እዛ ጓልኩም ዝበለቶኸ ሰሚዕኩሞዶ?
- ነዚ መርዓ ብመሰረቱ ኣይተቐበለቶን። ሂወተይ ከጥፍእ’የ ትብል ኣላ፡
- ከም እንተኾይኑ ንሂወታ ባዕላ ከየጥፍኣታ ባዕለይ ከቃብጻ’የ።
- ክትቀትሉዋ!? ንዓይ’ውን ምስ ጓለይ ቅተሉኒ። ካብኣ ኣይተርፍን’የ።
- ንስኺ ኢኺ ነዚ ኩሉ ጸገም ተሳውርዮ ዘለኺ። እዚ ኩሉ ከሲሩሲ ንኖራይ ሓወይ
እዚ ክንፈድዮ?
- ኖራይ ንዒቑና ዘይኮነ ኣመት መርዕኡ ኢዩ ዝገብር ዘሎ። (? ? ?)
- ኣቲ በጃኺ ዘረባይ ስምዕኒ፣ በጃኺ!
- እንታይ መዓቱ’ዩ! ኣቱም ሰባት እንታይ ንግበር?
- Scene 488
- ኣነ እንታይ ክገብር፣ ኣብ ማእከል ክልተ ሓዊ ተቐርቂረ፡ ሳብሪን ጓለይ።
- Scene 575
- ኖሪት ጓለይ በቃ ኣደ ኰንኪ? ምጭውቲ ቈልዓ ወሊድኪ!
- እዋይ ክትፍተወካ!
- ማማ፡ ክሓቚፋዶ ኣነኸ?
- ሕራይ፡ ድሓር ተሓቚፍያ።
- ሎሚ ድኣ እንታይ ሓሲቦም ሰዲዶምኺ?
- ኣቦይ ኖራይ ከም ቀደሙ የለን፣ ምስኪናይ!
- ኣቦኺ ኖራይ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሽግር’ዩ። እዚ ዘይከውን ምልኪ መወዳእትኡ ከምዚ’ዩ።
- ኣቦይከ እንታይ ድሃዩ?
- ኣቦኽስ እንድዒ።
- እታ መንሱራ እትብሃል ጓልከ ከመይ ኣላ?
- ንየው በልያ! ገጻ ትርሓቕ። ስለዝንዕቃ ኣይግደሰላን’የ። ሕጂ ድማ ተጸሊላ ኮለል
ትብል ኣላ።
- ኣነ’ውን ቅድሚ ትማሊ ‘ዕባያ’ ተኸዲና ተሓቢኣ ክትከይድ ርእየያ።
- ‘ዕባያ’ ድኣ እዚ ኩሉ ትንዕቃ ነይራ ትኽደና ኣላ? እዚ ኩሉ ፈሳሕሳሕ ሓሊፉ?
- መንሱር ሓወይከ ኣበይ ኣሎ?
- መንሱር ናብ ስራሕ ወፊሩ። መንሱር ሸቃላይ እንድዩ ኮይኑ። እንታይ ድኣኸ ክንዲ
እዚ ደንጒዩ? እስኪ ደውልሉ ሳብሪን ጓለይ።
- ኖሪት ሓፍተይ ብቴለፎንኪዶ ክድውለሉ?
- ሕራይ እንኪ።
- ሃለው መንሱር! ሳብሪን’የ፣ ከመይ ውዒልካ? ኣሃ! ምስ በዓል ጀማል ክትውዕል ኢኻ?
ኖሪት ሓፍተይ’ውን መጺኣ ኣላ። እወ፣ ክትበጽሓና ተፈቒዱላ። ኮይስ ቻው!
- ድሓን፣ ምስ በዓል ጀማል እንተ’ሎ ጸገም የለን። ሳብሪን ጓለይ ዘረባ ጥራይ ኰንና፣
ቡን ግበርልና።
- ኮይስ! (? ? ?) ሕራይ
- ነዛ ጓልኪ ኣደቅስያ፣ ድቃስ መጺኡዋ። (? ? ?) ተታኺሳ ኣላ
- Scene 579
- እንታይ ድኣ መንሱር ሓወይ ደንጒዩ?
- ኖሪት ሓፍተይ፡ መንሱር ምስ በዓል ጀማል እንተተራኺቡ ቀልጢፉ ኣይመጽእን’ዩ።
ድሓር ከኣ ንእሽቶ መዓስ ኮይኑ።
- ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ! ሓንሳብ ኣብ ጋራጅ፡ ሓንሰብ ድማ ኣብ ድኳን እናሰርሔ
ጠቒሙና ኣሎ።
- ማማየ፡ መንሱር ሓወይ ገዛ ክካረየልኩም’ዩ ሰሚዕና፣ ሓቂ ድዩ?
- ክልተ ክፍሊ ረኺበ ኣለኹ፣ ክራዩ’ውን ድሓን’ዩ ይብል ነይሩ።
- ሃንደበት ከበስረና ስለዝደለየ ኢዩ’ምበር ኣዳልዩዎ ኣሎ። ብኻ ኣቦይ ምሳና ሃልዩ!
- ንመንሱር ወደይ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ! ዘዝረኸበን ንገዛ ይብለን ኣሎ። ኣቦኽን ድማ
እንሸላ ይመጽእ ይኸውን፡፡ (? ? ?)
- ቀዲሙኒ’ምበር ኣነ ዓባይ ገዛ ክካረየልኩም ሓሲበ ነይረ እንድየ።
- ደሓን፣ ንሱ ይካረየልና፡ ንስኺ ከኣ ትገዝእልና። ዕድመን ጥዕናን ይሃብኪ ሳብሪን
ጓለይ!
- ኣሜን ማማየ!
- እዛ ሳምያኸ ድኣ እንታይ ኮይና’ያ ዘይኣመላ ስቕ ኢላ?
- ድሓን’ዩ ኣደ።
- እንድዒ፣ ሎሚ ክተስተንትን እርእያ ኣለኹ። ‘ናኣታ’ መጺኣታ ኣላ መስለኒ። (? ? ?)
- ኣደ ‘ናኣት’ ኣንስተይቲ ገመል’ያ ሙሽ?
- እዋይ ሳብሪን ጓለይ! እዛ ንብላ ዘለና ‘ናኣት’ ኣብ ኣግማል ዘየላ ፍልይቲ ኢያ።
- እሞ ሕጂ ሳምያ ሓፍተይ ‘ናኣት’ ኣላታ ማለትኪ ድዩ?
- ኣይፋል! ሓደ ሰብ ስቕ ኢሉ እንተኾርዩ እከለ ሎሚ ‘ናኣቱ’ መጺኣቶ ኣላ ኢዩ
ዝብሃል።
- እወ፣ መዛጁ ወይ ሙዱ ምስ ዝዝረግ ማለት’ዩ። (? ? ?)
- ሞት ኢልኪ? ሞት ኣይትበሊ ጓለይ!
- ኖሪት ጓለይ፡ ጓልኪ ሎሚ ብዙሕ ደቂሳ። ኣጥብውያ።
- ሕራይ ማማየ!
- Additinal scene
- ኣነ ኣዳላ ኣነ! ፈላማ እዚኣ፡ ሎሚ ዘበን ብርቱዕ ማይ እንተሃሪሙ ኣየፍለጥናን።
(? ? ?)
- Scene 610
- ማማየ፡ ባባ ብሓቂ ክመጽእ ድዩ?
- እወ ክመጽእ’ዩ።
- ረቢ ሂቡና ክንድሰት ኢና።
- እወ’ዛ ጓለይ።
- ማማ፡ ባባ ከም ቀደሙ ምሳና ክነብር ድዩ?
- እወ፣ ምሳና ክነብር’ዩ። ሕጂ ገዛ ኣቲኺ ዕዮ ገዛኺ ጥራይ ስርሒ።
- Scene 621
- መንሱራይ
- እንታይ ድኣ’ዩ ጀማል፡ ሕጂ ድሌትካ ምስ ረኸብካ እንታይ ድኣ? (? ? ?)
- ያዓኸ ናድያ ካብ ንግሆ ኣትሒዘ እንተደወልኩላ ኣይትቕበልን’ያ ዘላ። ሕጂ
እንተደወልኩላ ድማ ትዓጽወኒ ኣላ።
- እንታይ ጸገም ኣለዎ መሰጅ ዘይትሰድደላ?
- ኣላ መንሱር ወትሩ ንሱር!
- ኣለኹ!
- ጽቡቕ!
- Scene
- ባባ!
- ግደፍዎ ከዕርፍ፣ ገዛ ይእቶ።
- እንቋዕ ‘ሓጎሰና! ኣዳላ መጺኡ ገዝኡ ኣትዩ! ካብ’ዚ ዝበልጽ እንታይ ኣሎ?
- ረቢ ሂቡና!
- ሕጂ ናብ ገዛይ ክኸይድ ኣፍቅዱለይ።
- ኖኖ፣ ሕጂ ምኻድ የለን። ቡንና ንሰቲ፣ ድሕሪኡ ድማ ተመሲሕና ናብ ገገዛና
ንኸይድ።
- ኣብ ገዛ ጋሻ ስለዘለና’ምበር ምሳኹም ክንውዕል ኣይምጸላእናን። ሕጂ ኣፍቅዱለይ
ጥራይ።
- ሰላም ወዓለይኩም ኣቦይ ኣዳላ!
- ወላሂ ንዓኹም ነመስግነኩም ኢና። ምሳና ክትውዕሉ ምፈተና። ጋሻኻ ገዲፍካ
ውዓል ግን ኣይብሃልን። ሕጂ ድማ ጻዕዳ ርገጹ!
- ምስጋና ኖራይ ቀዲሙና ኢሉዎ’ዩ። ሕጂ ከኣ ጋሻኹም ጋሻና ኢዩ፣ ድሓን ውዓሉ።
- መርሓባ! መዓሰላማ!
- Scene 618
- ሎሚ ኣቦታትና ተዓሪቕኩም፡ እቲ ናይ ቀደም ሕውነትኩም ብምርኣይና ደስ
እተብል መዓልቲ’ያ። ኣባኹም ዘለኒ ተስፋ ከኣ ዓቢ’ዩ፡
- ረቢ ኣብ ጽቡቕካ የውዕለና! እንዳ ኣቦኻ ድማ ሳላኻን ሳላ ረብን ጸኒሖም ኣለዉ።
- ሕጂ ኣነ ከባኹም ዝትምነዮን ዝደልዮን ኣለኒ።
- ሕራይ!
- ትምኒተይ ንዘለኣለም ብስኒትን ዕርቅን ክትነብሩ’ዩ። ድልየተይ ድማ ንናድያ ጓል
ኣቦይ ሳልም ክትሓትቱለይ’ዩ።
- እዚ ዘቕረብካዮ ጠለብ ግዜ ይሓትት’ምበር ኣነ ብወገነይ እሰማምዓሉ’የ። ኣሃ
ኖራይ?
- እንተኢልኩም ኣነ’ውን ካብ ድልየትኩም ኣይወጽእን’የ። ናይ ቅድሚ ሕጂ
ድልየታትና መዓስ ጠቒሙና። ግና ሕጂ ኣይትበለኒ።
- ኣቦ፡ እዛ ጓል ንዓይ ክትጽበ ግዜ ባኺኑ። ሕጂ ድማ ክሓትቱላ ዝመጽኡ ኣለዉ።
ብቕልጡፍ እንተዘይሓቲትናላ ኣቦኣ ክህቦም’ዩ። ንሳ’ውን ትግደድ ትኸውን።
- ከም’ዚ እንተኾይኑ ንሕና ነንሓድሕድና ምእንቲ ክንላዘብ ኣብ ደገ ጽንሑ።
- ሕራይ!
- Scene (ኣክሽን ሌጣ)
- ሎሚ ሰናይ መዓልቲ’ያ። ኣዳላ ናብ ገዝኡ ተመሊሱ። ንሕና ኣሕዋት ድማ ኢድና
ኣብ ሓደ መኣዲ ኣምቢርና።
- ሓቅካ ኢኻ።
- ብወገነይ ከምዝርኣኹዎ፡ እቶም ዓበይቲ ምስ ተበኣስና ጀማልን መንሱርን ከም
ኣሕዋትን ኣዕሩኽን ኮይኖም ነዚ ጽንኩር እዋን ብሓንሳብ ሓሊፎሞ’ዮም።
- ኣቱም ሰባት፡ ስለምንታይ በሊጾምና ኣይንበል። ንጸባ’ውን ውላዱ በሊጹዎ ይብሃል።
ሕጂ ኣብ ሕሉፍ ጉዕዞና ነፍሲ-ወከፍና ነናቱ ኣረኣእያ ኣለዎ። ዝሓለፈ ሓሊፉ’ዩ።
ሕጂ ጥራይ ነንሓድሕድና ይቕረ ንበሃሃል።
- ሓቅኻ ኢኻ። እቲ ዝሓለፈ ጌጋታትና ነቶም ደቅና ተመክሮ ኮይኑዎም’ዩ፡፡ ሕጂ ድማ
ተላዚብናን ተፋቒርናን ጽቡቕ ኣብነት ንኹኖም። ኣነ ካብ ሎሚ ጀሚረ ይቕረ እብል
ኣለኹ።
- ይቕረ! ይቕረ!
- ንስኹም ዝገበርኩሞ የብልኩምን። እቲ ጌጋ ኩሉ ካባይ’ዩ። ሕማቕ ልምዲ ሒዙኒ፡
ኣቦታተይ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ኣብ ዘይቦትኡን ግዜኡን ከተግብር ክብል ኣብ’ዚ ኩሉ
ጸገም ዘእተኹኹም ባዕለይ እየ። ኣነ’ውን ይቕረ እብል።
- ኣነ’ውን ይቕረ እብል! እዚ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ስምብራት ንሕማቕን ጽቡቕን
ከየነጻጽር ከልኪሉኒ ጸኒሑ’ዩ።
- ኣዳላ፡ ንስኻ ዝበደልካዮ የብልካን። ብሰንከይ ኢኻ ናብ’ዚ ኩሉ ጸገም ዝኣተኻ፡ ሕጂ
ከኣ እንቋዕ ረቢ ብሰላም ናብ ገዛኻ መሊሰካ! ይቕረ ንኩልኹም!
- ይቕረ! ይቕረ! ይቕረ!
- Scene 606
- ስምዒ ምሕረት? እንታይ ድኣ ስተልን ናድያን ደንጒየን? ናይ ድሓን ድየን?
- ዘገርም’ዩ! ንስኺ’ውን ኣይፈለጥክን ዘለኺ።
- እንታይ ተረኺቡ ድዩ?
- ኣነ’ሞ እንታይ ክብል’የ? እቲ ዝርዝር ከባኺ ክረኽቦ’የ እየ ዝብል ነይረ። ግና ኣብ’ቲ
ገዛ ጋሻ ኣለና ኢለን ዝተፈላለየ ዓይነት መግቢ ይሰርሓ ነይረን።
- ናይ ምንታይ ኮን ይኸውን? ኣይፈለጥክን? ኣነ ፈሊጠ ነይረ እንተዝኸውን ንሳብሪን
ጓለይ ምሰደድኩለን ነይረ።
- ክሳብ ሕጂ ዝፈለጥኩዎ የብለይን። እቶም ቈልዑ ግን፡ ኣብ’ቲ ጎደና እናተጻወቱ
ናድያ ትሕጸ ኣላ ይብሉ ነይሮም።
- ናድያ እዛ ጀማል እናበለት ንዓመታት ዝጸንሔት? እንታይ ሓድሽ ነገር ተረኺቡ
ሕጂ? እዋይ! ጀማል ክጽለል’ዩ።
- ክጽለል እንተበሉኺኸ! ንሕና ኖራይ ኣብ ልቡ ተመሊሱ ንጀማል ወዱ ከሕጽዮ ኢዩ
ድኣ ንብል ነበርና’ምበር…
- ኖራይን እዚ ምስጢራቱን፡ ንሕና ጀማል ምስኡ ምተሓጎስና እምበር ንምንታይ
የሓብኣልና፡ (? ? ?)
- እንቋዕ ጥራይ ሓጎስ ኮነ!
- እወ፣ እንቋዕ ሓጎስ ኮነ!
Scene 268
- Scene 202
- ሎሚ ደሞዝና ሂቦምና።
- ማሸኣላ እንቋዕ ‘ሓጎሰኪ! ዘይምእንቲ ገንዘብ ኢኺ ትሞቲ ዘለኺ!
- ማማ፡ ደሞዝኪ ክንደይ ይኾና?
- 553 ናቕፋ ኢየን’ዛ ጓለይ።
- እዘን ዝበልክየን ባዕለይ ክህበኪ’የ። ስራሕ ግደፍዮ በጃኺ።
- ናድያ ጓለይ ሓቃ’ያ። እዘን ዝበልክየን ደሞዝ ኣነን ናድያን ንኸፍለኪ።
- ድሓን፣ ድሓን ይኣኽላኒ ኢየን። ነጃት ድኣ እንታይ ኢኺ ስቕ ኢልኪ?
- ዕላል’ውን ምስ ቡን’ዩ ምቁር፣ ቡን ግበራልና።
- ሕራይ፣ ባዕለይ ክገብራ’የ። ንዒ ነጁ ሓፍተይ፣ ፎርኔሎ ቀርብለይ።
- ኖኖእ! ሎሚ ቡን ኣዴኽን ትግበራ። ቡን ኣዴኽን ናፊቐያ ኣለኹ።
- ኣነ ሎሚ ደኺመ ኣለኹ። ባዕለን ይግበራኣ።
- ሓቅኺ፣ ደኺምኪ። ድኻምኪ ብዙሕ ደሞዝኪ ድማ ቁንጣሮ!
- ድሓን፣ ድሓን ኣይትሰከፉ። ንሃገረይ ብዙሕ አበርክት ከምዘለኹ እየ ዝፈልጥ። እዘን
ውሑዳት ትብሉወን ዘለኹም ደሞዘይ ክንዲ ብዙሕ’የን።
- ናጽነት ኣምጽእክሎም ሙሽ? ካብ’ዚ ንላዕሊ እንታይ ደልዮም?
- Scene 204
- ኣነ ዝገርመኒ፡ እዘን 500 ደሞዝኪ ተጠቒምናነለን ኣይንፈልጥን። ዘይኣብ ምብጻሕን
ዕቁብን’የን ዝውዕላ።
- ኣይፈለጥኩምን። እዚ ኣብ ዕቁብን ምብጻሕን ዝኽፈል ዘሎ ገንዘብ ኣብ ባንክ
ይቕመጥ ከም ዘሎ ሃብቲ ቁጸሩዎ።
- ማማ፡ እዚ ትብልዮ ዘለኺ ባንክኺ መዓስ ክወልድ’ዩ?
- ኣብ ዕለተ-መርዓኺ መዓረይ! ከም’ዚ ሎሚ ነገልግሎም ዘለና ኣብ ዕለተ-መርዓኺ
ንሳቶም’ውን ፍረ ጻማና ክፈድዩና ምዃኖም ኣይትረስዒ። ኣብታ መዓልቲ’ቲኣ ኢዩ
ዝወልድ።
- ንመዓልቲ መርዓይ ትዘርእዮ እንተሊኺ ገንዘብኪ ኣይትኽሰሪ እብለኪ።
- እንታይ ትብሊ ናድያ ጓለይ?! ኩሉ ግዜ ከም’ዚ ኢልኪ ክትነብሪ ኢኺ?
- መርዓ መዓልቱ ምስ ኣኸለ ክመጽእ’ዩ። ላኪን…
- ማሸኣላ ኣብታ ዕለተ-መርዓኺ እንጀራ ዝስንክታ፡ ጸብሒ ዝሰርሓ፡ ኣባኦከ ዝገብራ፡
ኣቚሑ ዝሓጽባ፡ ምስአን ድማ ኣቚሑ ዘምጽኣ፡ (? ? ?) ህያብ
- ኣየ’ወ! ዝሓርዱ፡ ዝመትሩ፡ ዳስ ዝተኽሉ፡ ጋሻ ዝቕበሉ፡ ማይን ዓሲርን ዘቀባብሉ!
ኩሉ ይርኣየኒ ኣሎ።
- ንዓይ’ውን ቬሎ ዝሕዛለይ መሓዙተይ፡ (? ? ?) ይርኣያኒ ኣለዋ?
- ካብ’ዚ ኩሉ ክትብሉዎ ዝጸናሕኩም እቲ ነጁ ሓፍተይ ዝበለቶ ይኣኽለኒ። ካብ’ዚ
ንላዕሊ መርዓ ንርኣዩለይ ስምዑለይ ጥራይ ኢዩ። ኣየድልን ድማ’ዩ።
- የድሊ’ምበር! መርዓ ሓጎስን ደስታን’ዩ። ደስታ ንኽህሉ ድማ እዚ ኩሉ ንብሎ
ዝነበርና ነገራት የድሊ።
- እወ ሓቅኹም፣ ሓጎስ’ዩ። ግን ኣብ ሆቴል ክገብሮ ስለዝኾንኩ እዚ ኩሉ ትብሉዎ
ዝነበርኩም ኣየድልየንን ኢዩ።
- ኣይከውንን’ዩ። እዘን ኩለን መሓዙተይን መሳርሕተይንከ እንታይ ክብላኒ? ኣብ
ሆቴል ብመሰረቱ ኣይከውንን’ዩ። ኣብ’ታ መዓልቲ’ቲኣ ናድያ ጓለይ፡ 60 ማይ-ቤት
ዳስ ኣብ’ዚ ጎደና ገቲርና ዘይተራእየን ዘይተሰምዐን መርዓ ክንገብር ኢና።
- ኣነስ መርዓ ኣብ ሆቴል ኣይፈቱን’የ።
- ሆቴል እንታይ ኮይኑ ነጁ ሓፍተይ?
- ቈልዑ ኣብ ሆቴል ስለዘይኣትዉ።
- ንስኺ እንታይ ኣፍሊጡኪ? ስቕ በሊ እስኪ።
- ካርዲ ዕድመ እንዳ ኣቦይ ሰመረ ርኢናዮ እንዲና። ቈልዑ ምምላእ ኣይፍቀድን’ዩ
ኢሎም ጽሒፎምሉ ነይሮም።
- ዘገርም’ዩ! ንስኽን ኣዋልድክን ከም’ቲ ሰብኣይን ሰበይትን ጤል ከይገዝኡ ‘ኣብ’ዚ
እግሪ ዓራት ክኣስራ እየ፣ ኣይትኣስራን ኢኻ እናተበሃሃሉ ዝተባእሱ እምበር
ኰንክን። መርዓ ምስ መጽኤ ነርክበሉ። ቡንና ጥራይ ኣስትያና። (? ? ?)
መሓዙትክን
- እወ ሓቅኹም፣ ቡንና ንስተ።
-
- Scene 217
- ናድያ ጓለይ፡ ቴለቪዥን ኣጥፊእኪ ናባና ምጽኢ።
- እንታይ’ዩ፣ ካብ ቴለቪዥን ዝሕባእ ምኽሪ ኣለኩም ድዩ?
- እወ፣ ቁሩብ ናጻ ኰንና ክንላዘብ ኢልና ኢና።
- ከም’ቲ ኣቦኺ ዝበሎ’ዩ፡ ንፍዕቲ ጓለይ። ልዝብ ወለድን ውሉድን፡ ቴሌቪዥን’ውን
ይኹን ሳልሳይ ኣካል ኣይኣትዎን’ዩ።
- ስምዕኒ ንፍዕቲ ጓለይ፡ ብኣኺ ንኾርዕ ኢና። ብወገንና ብርሃንክን ደቅኽን ክንርኢ
ስለዝደለና ኢና ንህወኽ ዘለና።
- እወ፣ ከምኡ’ዩ እዛ ጓለይ።
- እንታይ’ዩ? ስራሕ ዲኹም ረኺብኩምለይ ወይስ ስኮላርሺፕ?
- ስራሕ፡ ስራሕ ኣይትበሊ እስኪ! መርዓ ረኺብናልኪ ኣለና፣ መርዓ!
- እወ እዛ ጓለይ ንፍዕቲ፡ ጓል-ኣንስተይቲ ገዝኣ’ዩ ዝሰትራ። ዘረባና ስምዕና፣
ንዝባረኽናልኪ መርዓ ድማ ብፍሕሽው ገጽ ተቐበልዮ ንብለኪ ኣለና።
- ንሳ ጥራይ’ያ ድልየትና። ኣቦኺ ኢብራሂም ንወዱ ዶክተር ኣክረም ንመርዓ ይደልየኪ
ኣሎ። ምናልባሽ ሎሚ ብነፋሪት ይኣቱ ይኸውን። ደረጅኡ ደረጃኪ’ዩ። ንሱ’ውን
ምህርቲ ድለዩለይ ኢዩ ኢሉ። ካብ ኤውሮጳ ይመጽእ ስለዘሎ ከኣ ክንላለ ክብል
ኢዩ። ንስኺ ድማ ብፍሕሹው ገጽ ተቐበልዮ።
- ናዱ ጓለይ፡ ፍቕሪ’ውን ምስ ተላለኻ’ዩ ዝመጽእ። ሽሕ’ኳ እንተዘይተመሃርና
ከምዘይንፈልጥ ኣይትሕሰቡና። ኣነን ኣቦኽን’ውን ብፍቕሪ ኢና ተመርዒና።
- ሕማቕ ገጽ ኣየርእዮን’የ። ወዲ ኣቦይ ኢብራሂም ሓወይን ወዲ ዓደይን’ዩ። ንመርዓ
ብዝምልከት ግን ኣነ ከምኡታት መደብ የብለይን። ስለ’ዚ እንተዘይደኸሙ
ይሕሾም።
- ዶ?… ትሩፍ ድሕሪ ደጊም!
- Scene 109
- እዞም ዝረኣኽዮም ጀማልን ዓብደልዓዚዝን ትኽ-ትንፋስ ኣዕሩኽ’ዮም።
- ከም’ዚ ከማይን ከማኽን ማለትኪ ድዩ?
- እወ፣ ከማና’ዮም። ምሕዝነትን ዕርክነትን ከም’ዚ ክኸውን ኣለዎ።
- ጂሚ እንታይ’ዩ ዝብል ነይሩ?
- ወላሂ እቲ ጉዳይ ከም’ቲ ዝሰማዕክዮ’ዩ። ስድርኡ ንመርዓ ይግድድዎ ኣለዉ።
- ንሱ’ውን ድልየት ኣለዎ ሰሚዐዔ። ዘረባ ሰብ ብዙሕ ስለዝኾነ ግን እቲ ሓቂ ካባኺ
ክረኽቦ ደልየ።
- ሓቕኪ ኢኺ፣ ዘረባ ሰብ ብዙሕ’ዩ። ንሱ ድልየት የብሉን።
- ምስኪናይ ጂሚ! ሕጂ እንታይ ክገብር’ዩ? በዚ ኣቦኡ ከይተወከሶ ንጓል ሓወ’ቦኡ ኣዳላ
የሕጽዮ ኣሎ። በዚ ድማ ኣፍቃሪኺ’ዩ።
- ቅድም-ቀዳድም ተሓጽዩ ኣይትበሊ። ተወሃሂቦም ጥራይ ኢዮም። ምውህሃብ ድማ
ምሕጻይ ኣይኮነን።
- እንተተወሃሂቦም ጽባሕ ይሕጸዩ፣ ድሕሪ ጽባሕ ድማ ይምርዓዉ።
- ነዚታት ሕጂ ንጎድኒ ግደፍዮ። ነዞም እንዳ ኣቦይ ኣዳላ ሙሽ ትፈልጥዮም ኢኺ?
- እወ እፈልጦም። ሳብሪን ምስ ሓፍተይ’ያ ትምሃር። ኣደ ሳብሪን ድማ መሓዛይ’ያ።
- ባቃ! ሕጂ እንታይ ደልየ ‘መስለኪ፡ ሳብሪንን ኣዲኣን ኣብ’ዚ መደብ እዚ
ከምዘይሰማምዓ እንተጌርክየን ብሓቂ መሓዛይ ኢኺ።
- እዚ ናባይ ግደፍዮ። ነዚ ተሓሲቡ ዘሎ መደብ ኣፍሺለ ንስኺ ምስ ኣፍቃሪኺ
ከምትዕወቲ ክገብር’የ።
- እንቋዕ ኣሰይ፡ እንቋዕ ኣሰይ፡ (? ? ?) ኣሰይ! ኣሰይ!
- Scene 190
- ናድያ፡ እዚኣ እንታይ ትብል ኣላ?
- እዚኣ እንታይ ትብለኪ ኣላ ‘መስለኪ፡- ምሉእ ሓስብ ብፓስት ቴንስ ስርሒ ትብለኪ
ኣላ።
- ከም’ዚኣ እንድያ “I will drink water yesterday” ኢለያ ኣለኹ።
- ኣስተውዕሊ፡ Will እንታይ ማለት ድዩ? ዊል ፊቸር ወይ መጻኢ ማለት’ዩ። ንሳ ግን
ብፓስት ቴንስ ስርሕዮ ትብለኪ ኣላ።
- እሞ ሕጂ እንታይ ክገብራ?
- እንታይ ከምትገርብያ ክነግረኪ፡- እዚኣ ዊል ናይ ፊቸር ስለዝኾነት ኣይተድልየክን’ያ።
drink ናብ ፓስት ቴንስ ምስ እትቅየር እንታይ ትኸውን?
- Drank
- እወ! “I drank water yesterday” ድማ ትኸውን።
- ኣሃ! ሕጂ ተረዲኣትኒ። ተሓዋዊሱኒ ነይሩ።
- ሓቁ’ዩ ክተሓዋወሰኪ። ጸወታ ተብዝሒ ኣለኺ።
- ኣይተጻወትኩን’ኮ። መጀመርታ ዕዮ-ገዛይ እሰርሕ፣ ድሓር ድማ እጻወት።
- ኣይትካትዒ! ንሳምያ ጓል ኣቦይ ኣዳላ’ውን ሓሳዊት ኢልክያ ሰሚዔ።
- ስለዝሓሰወት ሓሲኺ ኢለያ። ድሓር ከኣ ይቕሬታ ሓቲተያ። ንሳ ግን ኣብያ።
- ሕጂ ዘረባ ገዲፍኪ መርመራ ይመጽኣኪ ኣሎ ኣጽንዒ።
- ሕራይ ናዱ ሓፍተይ፣ ኣይትሕረቒ። ከጽንዕ እየ።
- ኣጽንዒ! ኣንጽንዒ! ብዓሰርተ ዕጽፊ መርዋ ሓፍተይ ትሓይሽ ካባኺ። ምሩ፡ ድሙ
ብእንግሊሽ እንታይ ትበሃል?
- ካት!
- ካት! ብራቮ! እቶም ኣርባዕተ ሕብርታት ባንዴራናኸ?
- ሬድ፡ ብሉ፡ ግሪን፡ የለው!
- ብራቮ! ትርእይያ ኣለኺ ከመይ ትምልስ ኣላ? ንሳ ትነፍዕ ካባኺ።
- ወላሂ እዛ ጓል ኣሞይ ሰይጣን’ያ። ዋላ ንቃላት ዓረብ’ያ ካብ ቴለቪዥን
ትምንጥሎም።
- ጸላኢኣ ሰይጣን ይኹን! ንፍዕቲ ኢዩ ዝብሃል። ሰይጣን ኣይብሃልን’ዩ። ያላ ሕጂ
ኣጽንዒ!
- Scene 200
- ንስኺ ነዛ መርዋ ጓል ኣሞይ ጥራይ ዲኺ ተረድኢ? ንዓይከ?
- ንስኺ ሻምናይ ክፍሊ በጺሕኪ ኢኺ። ኣንቢብኪ ባዕልኺ ተረድኢ።
- እሞ ሎሚ ብዙሕ ዕዮ-ገዛ ኣለና።
- እንታይን እንታይን’ዩ? ድሓር እዚ ዕዮ ገዛኺ ተገዲስኪ ዕየይዮ።
- ማትስን እንግሊሽን ኣለና። እቲ እንግሊሽ ግን ቁሩብ በርቲዑኒ፡
- ድሓን፣ እቲ እንግሊሽ ድሓር ቀስ ኢለ ከረድኣኪ’የ። ነቲ ቀሊል እትብልዮ ኣጽንዒ፣
ፎር ምእንቲ ክተምጽኢ።
- ናድያ ሓፍተይ፡ መርዋ ከይትሰምዓኪ ስቕ በሊ። ፎር ንነብሳ ጥራይ’ያ ትፈልጣ።
- መርዋ፡ ሳዋ ምስ ከድኪ ክንደይ ክተምጽኢ ኢኺ?
- ፎር!
- እስኪ ኣርእይኒ? ብኣጻብዕትኺ ኣርእይኒ።
- ፎር! ብራቮ! ስርሒ፣ እንታይ’ዩ እዚ?
- Scene 136
- ሄለው ጂሚ! እወ፣ ድሓን፡ ምስ ተዳለኹ ባዕለይ ሚስ-ኮል ክገብረልካ’የ። ኮይስ፣
ቻው!
Scene 90
- ስምዕኒ ምሕረት…
ኣሃ?
- እዚ ወዲ ኖራይ ነዛ ጓል ኣዳላ ተሓጽዩዋ ይብሃል ኣሎ፣ ሓቂ ድዩ?
- ጀማል ወደይ ክፍተወካ መዓት’ዩ ። ጥዑይ ቈልዓ፡ ለባም፡ ለጋስ፡ ትሑት’ዩ። ናድያ
ጓልና’ውን ካብ ኣፋ ኣይተውጽኦን’ያ። ምሉእ መዓልቲ ጀማል ጅሙል ክትብል
ክትውዕል ንሰምዓ ኣለና።
- ስተል ሓፍተይ፡ ጀማልን ጅሙልን ክትብሎ እንተሰሚዕኪ ተፋቒሮም ኣለዉ
ማለት’ዩ።
- እንተተፋቐሩ’ሞ ኣቦኡ ናብ ጓል ኣዳላ እንድዩ ወፊሩ ዘሎ።
- ሓቅኺ ኢኺ።
- Scene 111
- ሰብ ገዛ?
- ከመይ ኣለኹምከ?
- ጽቡቕ ድራረይ!
- ሕጂ ኣብ ልዕሊ ገለ ዘይንዕልል? (? ? ?)
- ሸገርገር ኣይትበሊ። በሊዔን ሰትየን’የ መጺኤ።
- ኣይትህቦምን’ያ።
- እሞ እንታይ ድኣ ክንገብር?
- Scene 115
- ንሕና ኣብ ቤተሰብና ከም’ዞም እንዳ ኖራይ ኣይኮንናን። መርዓ ብዕድልን ድልየትን’ዩ
ዝፍጸም ኢና ንብል። ከም እትፈልጥኒ ኣነ ካብ ባርካ’የ። በዓል ቤተይ ድማ ካብ
ባጽዕ’ዩ ድራረይ።
- ስተል ሓፍተይ፡ እዚ ናትኩም ጽቡቕ’ዩ። ክንዲ ትውልድኻ ተጽብብ ትውልድኻ
ክተስፍሕ ይሓይሽ።
- እወ! ኖራይ ቀደም ነታ ዘኽታም ጓሎም ባዕሉ ብኢደ ዋኒኑ መንጢሉ ነቲ ዓቢ ወዱ
ኣመርዕይዋ። ሕጂ’ውን ንጀማል ሳብሪን ሃቡኒ ይብል ኣሎ ኢሎሞ። ነቲኣ’ውን ካብ
ትምህርቲ ኣውጺኡዋ፡ ምስኪነይቲ! (? ? ?)
- ንሳ’ውን ጽቡቕ ኣላ ዝብል ኣይሰምዓኩን። እቲ ሰብኣያ ብመሰረቱ ኣይግደሰላን ኢዩ
ኢሎሞ።
- ካብ ኩሉ ዝገደደ ድማ እታ ንዕልታ ከፊኣታ ኣላ ኢሎማ። ገጻ ትርሓቕ!
- ብምንታይ ድኣ ጸሊእኪዮ?
- እንድዒ!
- እወ፣ ናይ ማትስና።
- ሕራይ።
- እወ። ከምኡ’ዩ ዝብል። ሳብሪን ተማሂራ ጽቡቕ ስራሕ ሒዛ ኣላ። ስድረኣ ብኣኣ
ከሓልፈሎም’ዩ ዝብለኒ ነይሩ።
- ንሱ ከምኡ’ዩ ዝብል። ‘ተመሃሪ፡ ትምህርትኺ ከይተቋርጺ’ ኢዩ ዝብለኒ።
- ድሓን ውዓሊ!
- Scene 223
- ሳልም ሓወይ፡ በቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተበሃሃልናዮ፡ ምሳኻን ምስ ናፍዕ ሓውኻን’ውን
ኣልዒናዮ ዝነበርና ጉዳይ እመጽኣካ ኣለኹ። (? ? ?) መጺኤካ
- ወላሂ ንሕና ነቲ ዘረባ ክንሓስበሉ ኢና ጸኒሕና። እንተኾነ ግን ብዘይ ድልየት ኣዋልድ
ሎሚ ዝኸውን ነገር የለን። ከም’ቲ ናይ ቀደም ባዕልኻ እትህበንን እትኸልአንን
ኣይኮናንን።
- ሓቅኻ ኣለኻ። ሎሚ ዘበን ዘምጽኦ መርዓ ብፍቕሪ እንድዩ ኮይኑ! ግን ንሕና
ክንዋሰበኩምን ክንቀርበኩምን ደሊና ኣለና።
- ሕጂ ኢብራሂም ርኢኻ፡ እዚ ዶክቶር ኣክረም ምስ መጸ፡ ንሱን ናድያን እንተዝራኸቡ
ይሓይሽ እብል።
- ረሲዔልካ፡ ኣክረም ድኣ ትማሊ እንድዩ መጺኡ። ባዕለይ ዝያዳ ከረጋግጽ
ስለዝደለኹ’የ።
- ኣክረም መጺኡ!? ማሽኣላ ጽቡቕ! እንታይ ድኣ ዘይነገርኩምና። ከመይከ መጺኡ?
- ጽቡቕዶ ኢላ’ሞ?
- ኣዋልድ ትፈልጠን እንዲኻ፣ ቀልጢፈን መዓስ ሕራይ ይብላ ኮይነን። ‘መደብ ኣለኒ፣
ባዕለይ ክመርጽ እየ’ ትብለኒ ኣላ። ንሕና ግን ክሳብ ሕጂ ኣይገደፍናያን። ንዛረባ
ኣለና።
- ንሱ’ውን ናቱ መደብ ኣለዎ። “እታ ኣነ ዝመርጻ ጓል፡ መጀመርታ ምህርቲ ክትከውን
ኣለዋ፣ ድሓር ድማ ባዕለይ ክመርጻ ኣለኒ” ኢዩ ዝብል። ሕጂ ንሕና እቶም ወለዲ
እንተተሰማሚዕና ንሳቶም ድላዮም ይግበሩ።
- ጽቡቕ ኣለኻ። ብዘይካኹም’ውን ብዙሓት ሓቲቶምላ’ዮም። ንሳ ግን ‘ፕሮግራም
ኣለኒ፡ ተጸበዩኒ’ ስለዝበለትና ንጽበያ ኢና ዘለና። ሕጂ ግና ሕራይ ክትብለና ንትስፎ።
- እንሻኣላ ሕራይ ትብለኩም!
- ኣሚን! ኣሚን!
- Scene 245
- ኣነ ተልእኾይ ፈጺመ’የ። ንኣሞይ ራየት ጽቡቕ ገይረ መሊኤያ እየ። ጓላ ትህቦም
ኣይመስለንን።
- እኣምን፡ እኣምን ጀሚላ ሓፍተይ። ብሓቂ መሓዛ እትገብሮ ጌርኪ። ሕጂ ግን ንዓይን
ንዓኽን ዝጠቅም ብስራት ኣለኒ።
- እዋእ! ንስኽን ጀማልን ተልእኾኹም በዚሑ። ሕጂ ድማ ንዓይን ንዓኽን ዝጠቅም
ነገር ረኺብኪ? ንገርኒ እስኪ። ኣነ ኣብ ዝጠቕመኒ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ
ዘይጠቕመኒ’ውን እተሓጋገዝ’የ።
- “ሽሻይና ኣብ ገዛና ፈሲሱ” ይብል ነይሩ ኣቦይ ኖራይ። ኣነ’ውን ሽሻይና ኣብ ገዛና
ክፈስስ እደሊ ኣለኹ።
- ደንጒኽና በጃኺ! እንታይ ክትብሊ ስለዝደለኺ ኢኺ። ነዚ ፍልስፍናዊ ዘረባ ገዲፍኪ
ቀልጢፍኪ እቲ ሓቂ ንገርኒ።
- ሕራይ፣ ሓደ ንዓይ ዝደሊ ካብ ወጻኢ ዝመጽኤ ወዲ ኣሎ። ኣነ ግን ከም እትፈልጥዮ
ምስ ጀማል ኣብ ፍቕሪ ተጸሚደ ኣለኹ።
- እሞ ሕጂ እንታይ ንግበር? ስለምንታይ ኣይደልየካን ዘይትብልዮ? ብግዲ ዝኸውን
መዓስ ኣሎ።
- እቲ ጸገም እዚ ኣይኮነን። ስድራይ ፈትዮሞ ኣለዉ። ንዓይ ከመርዕውዎ ወሲኖም ከኣ
ኣለው። ኣነ ከኣ ምስ ስድራይ ከይተባኣስኩ ብሜላ ክገላገል ደልየ ኣለኹ።
- ብኸመይ?
- ኣነ ግን ምርጫይ’ዩ ድልየተይ።
-
Scene 425
- ኣነ ኣይዝክሮን’የ።
- ኣሃ?
- ስቕ ኢለ ደርብየያ።
- Scene 427
- እንታይ ድኣ ክኸውን’ዩ?
- Scene 334
- ስምዕኒ ናድያ ጓለይ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ነጊርናኪ ኔርና ኢና። እዞም እንዳ ኢብራሂም
ንኣክረም ወዶም ይሓትቱልኪ ኣለዉ። ሕራይ በልና።
- እወ ‘ዛ ጓለይ ንፍዕቲ፡ እዞም ዝሓቱልኪ ዘለዉ ከምቲ ትፈልጥዮ፡ ምስ ደቆም
እናተጻወትኪ ዝዓበኽን ዝተማሃርክን ኢዮም። ወረጃታትን ሃብታማትን ከኣ
ኢዮም።
- በቃ ድሓን፣ ኣነን ኣክረምን ክንማኸር ኢና። ምስ ተረዳዳእና አፍልጠኩም።
- ሕጂ ኣይትረብሽኒ! ኪዲ ጥራይ።
- Scene 342
- ሎሚ ኩነታትኪ ደስ ኣይበለንን።
- ስራሕ ስለዝበዝሓኒ’የ።
- Scene 366
- እዞም እንዳ ኣዳላ ጓሎም ጠፊኣ ይብሃል ኣሎ። ድሃዮም ክገብር ናብኦም ክበጽሕ’የ።
- Scene ?
- ረቢ ይሓግዝ! ቻው!
-
- Scene 374
- እንኩም!
- በቃ ንኺድ! ብስምላ… (? ? ?)
- Scene 292
- Nadia Tel
Scene 471
- ስምዕኒ ስተል ሓፍተይ፡ እዞም እንዳ ኣዳላ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎኦም ዝተላዕለ ግጭት
ከመይ ኣለዉ? ደሃዮምዶ ኣለኪ?
- እንዳ ኣዳላ ኩነታቶም ጸንኪሩ ኣሎ ምሕረት። ሕጂ ድማ እዚ ዕቁብና ንራየት
ዘይነሕልፎ፣ ምሓገዛ።
- ጽቡቕ ኣለኺ። እዚ ግን ፍታሕ ኣይኮነን። ስራሕ ዘይንደልየላ ስተል ሓፍተይ።
- ስራሕ ኢልኪ? ካብ ስራሕና ብዙሓት ኣንስቲ ወጺኤን ስለዘለዋ ኣብኡ ሕተቲ ንበላ።
- Scene 502
- ሕጂ፡ ሕጂ ጸዊዐናኒ።
- ፊስካ?!
- ኣክሽን ሌጣ (? ? ?)
- Scene 456
- Scene 458
- Scene 480
- Scene 492
- ንዒ ኮፍ በሊ!
- እወ፣ ብዘይ ድልየት ዝፍጸም መርዓ ከምኡ’ዩ። ግናኸ መርዓ እንዳ ኣዳላ ከም
ምሕላፉ ሓሊፉ’ዩ። ንዓና መርዓኺ ጥራይ’ዩ ዘገድሰና።
- ድሓን’ዩ፣ በኣይ ኣይትሻቐሉ። ብዕድለይ’የ ዝምርዖ።
- ብዕድለይ ኢልኪ?
- Scene 528
- እወ ተመሊሳ።
- ግርም! ግርም!
- Scene 381
- ኢለዮ ኣለኹ!
Scene 544
- ኣይድንጉን’የ።
- ሃለው ናድያ!
- መዓልቲ ልደት መሓዛይ ኣሎ። ናብኣ እኸይድ ኣለኹ። ድሓር ከኣ ሓድሽ ፋሽን
ኣይትኽደንን ኢኺ እናበልኩም ትነቕፉኒ ኔርኩም እንዲኹም።
- ጽቡቕ ‘ዛ ጓለይ ንፍዕቲ! ኣነ’ውን ከም’ዚ ኢልኪ ክርእየኪ’የ ዝደሊ። ጓል ኣንስተይቲ
ብነብሳ ክትግደስ ኣለዋ። ትምህርቲ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን።
- ጽቡቕ ኣለኺ ማማየ። እንተደንጒየ ኣትሻቐሉ።
- ሕራይ፡ ሕራይ።
- Scene 262
- እታ ኣብሪቕ ኣብቲ ሸቓቕ ኣላዶ?
- እወ፣ ኣብኡ ኣላ። ማይ’ውን ኣለዋ።
- ኣደ!
- ሃቢ እስኪ እታ ሪሞት!
- መንሱራይ ሓወይ፡ እዛ ፊልም ክውድኣ ዘይትገድፈኒ?
- ስቕ በሊ እስኪ! ኩዕሶ ይሓልፈና ኣሎ።
- ኣታ በዳን ፈሊጠካ ኣለኹ። ንዒቕካኒ ሙሽ ንዓይ? ድሓን! ንበዓል ሳብሪን ሓፍተይ
ግን ከምኡ ኣይትገብረንን ኢኻ።
- መንሱራይ!
- ኣሃ?
- እታ ቴለቪዥን ኔው በላ። ኣቦኻ ሮመዳን ምሳኻ ከዕልል መጺኡ ኣሎ።
- ሓንሳብ! ኩዕሶ ይሓልፈኒ ኣሎ።
- Scene
- ኣቦይ ሮመዳን ከመይ ኣለኻ?
- ንስኺ ኪዲ።
- እንታይ ድኣ ሎምስ ኮሪኺ ሳብሪን?
- ባዕለይ እየ። (? ? ?)
-
- ሓቃ ኢያ፣ ብሽክሌታን ሽልማትን እንድዩ ዝህባ ነይሩ። ምስኪናይ መንሱር ግን
በዘይካ ጸርፍን መግናሕትን እንታይ ርእዩሉ።
- ሕጂ ናብ ኣስቢዳለ ኬድካ ዘይትርእዮ ድራረይ።
- ስምዓኒ መንሱር ወደይ፡ ንስኻ ንፉዕ ኢኻ። ነዚ ኣቦኻን ነዘን ኣሓትካን ርኤ። ስራሕ
ሰብኣይ ስራሕ። ነዚ ኣቦኻ እስከ ርኣዮ። ንዓኹም ከዕቢ በዛ ብሽክሌትኡ ኣብ ትሕቲ
ሰብ ይሰርሕ ኣሎ።
- እወ መንሱራይ፣ ኣቦኻ ሮመዳን ደላይ ጽቡቕካ ስለዝኾነ ኢዩ።
- ብኸመይ?
- ከም’ዚ ዓይነት በላዒት ሰበይቲ ኔው በላ! ካልእ ገዛ ስኢና ድያ ንሳን ወዳን ኣብ’ዛ
ጸባብ ገዛ ትመጽኣኩም? (? ? ?)
- ክተሸግረና ኢላ ኣይኮነትን መጺኣትና። ዘጽንሓላ ስለዝሰኣነት’ያ። ንሕና ድማ
ጎረቤት እንዲና!...
- ነቲ ቈልዓ ካብ’ቲ ዘምጸእኩዎ ጸባ’ስከ በጽብጽሉ። ብዙሕ ኣይተሕፍስሉ ከኣ፣ ቈልዓ
እንድዩ!...
- እቲ ትብልዎ ዘለኹም ጸባ ዳርጋ ተውዲኡ’ዩ። እንተኣኺሉዎስ ሕራይ።
- ጸባ ኢልኩም ጸባ ኣዘኪርኩምኒ። ንዓይ’ውን ካብ’ቲ ናይ ቈልዓ ጸባ ምቐሉኒ። ካብ’ቲ
ቈልዓ ንላዕሊ ንዓይ ከፊኡኒ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ዝቐረብኩምለይ በርበረ
ጋስትራይተይ ተላዒላትኒ።
- ሰሚዕናኩም ኣለና ኣቦይ መርከ። (? ? ?) መርከ
-
- Scene 349
- ሰዲዶምኺ?
- ኮፍ በሊ ሳቡ።
-
- Scene 351
- እቲ ወረ ካበይ ከምዝረኸበቶ፡ ‘መንሱር ንመንሱራ ክምርዓዋ’ዩ ኢሎሞ፣ እዚ
ሃላይ’ዚ ከመይ ገይሩ ንጓለይ ይምርዓዋ?’ ኢላ ጸርጸር ትብል ነይራ።
- ንመንሱር ወደይ ሃላይ ኢላቶ? እዛ መበጻጽሒት፣ ክፍእቲ፣ ግናይ! ጽንሒ ጥራይ
ክትርእየኒ ኢያ።
- እዚ ዕዋላ ከመይ ገይሩ ንጓለይ ይምርዓዋ ኢላ ላዕልን ታሕትን ትብል ነይራ።
- ኣታ ሓሳዊ መበጻጽሒ!
- ከቢድ ጾር ይራይ ኢልካ? ሓላፍነት እንዳ ወድን ጓልን እንድዩ ተሰኪሙ ዘሎ።
- እወ!
- ኩሉ ወሪዱ እንድዩ?
- Scene 364
- ኣሕ! ጃብር ተጻዊቱልና! ነታ ጓል ባዕሉ ኣህዲሙዋ ኣሎ።
- ኖራይ በስመኣብ በል። ጃብር እንታይ ገይሩ? ጃብር የለን። ቅድሚ ሰሙን ደቁ ክርኢ
ገይሹ ኢዩ።
- ንስኻ ንርእስኻ ከም ሰይጣን መዓስ ደበኽ ኢልካና። ንስኻን ንሱን ምምጻኣኩም
ኣይፍለጥ ምኻድኩም! (? ? ?)
- ኣነ ነቲ ወረ ምስሰማዕኩ እዚታት ምእንቲ ከይርከብ ክዓርቀኩም ኢለ ስሔይ
ገዲፈ’የ መጺኤ። ካብ ዝፈራሕኩዎ ግን ኣይወጻእኩን። ሕጂዶ ይሓይሽ ጓልና
ኣጥፊእኩም?
- ንሕና’ውን ግደፉ ኢልናኩም ኔርና ኢና። ግን ዘረባና ኣይሰማዕኩምን ያጀማዓ።
-
- Scene 361
- ሳብሪን ጓለይ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ብጥሜት ኣይትሙቲ።
- ጓለይ! ጓለይ! ጠፋእኩ! ጠፋእኩ!
- ስቕ በል!
-
- Scene 372
- ኣስመራ ዝገደፍናላ የብልናን፣ ኣብ ኩሉ ደሊና። ጓለይ ብሂወት እንተትህሉ ክሳብ
ሕጂ ኣይምጸንሐትን።
- ኣነ’ውን ንኩሎም ኣዕሩኽተይ ኣዋፊረዮም’የ። ክሳብ ሕጂ ግን ወረ ኣይረኸብናን።
- ኣይፋልካን መንሱር ወደይ! ንስኻ ንሳምያ ሓፍትኻ ሓሉ። ንሳ’ውን ንእሽቶ እንድያ፣
ንበይና ኣይንገድፋን ኢና።
- ኩሉ እዚታት ኣየድልን’ዩ። ሰባት ኣዋፊርና ኣለና ንብለኩም ኣለና። ንስኻትኩም
ቴለፎናትኩም ኣይተጥፍኡ። ሓበሬታ ዝረኸበ ክድውለልኩም’ዩ።
- መን’ዩ መንሱር?
- እስኪ ሃባ፣ ሃለው! ሳብሪን እንታይ ኮይና ትበኪ ኣላ ዘይነብ ሓፍተይ? መርሓባ!
መርሓባ!
- ያጀማዓ ሕጂ ኣብ ሕማቕ ከይትወድቕ መርዓ ዝብሃል ኣይተልዕሉላ።
-
- Scene 377
- ዕንባባ ሓዙ…
- ስቕ በል ሮመዳን!
- መዓልኩም?
- መርሓባ!
-
- Scene 423
- ከመይ ውዒልክን?
- መርሓባ!
Scene 25
- ከመይ ውዒልኪ ኣደ?
- መርሓባ! ዕድመ ይሃብክን’ዘን ደቀይ!
- ኣቦይ ኣይመጽኤን?
- ኣቦኽን ኣቦኺ ኖራይን ናብ እስቢዳለ ከይዶም ኣለዉ።
- ኣቦይ ኖራይ እንታይ ኮይኑ ድዩ? ሕጂ’ውን ሓሚሙ?
- ብቴለፎን ድሓን’ዩ ኢሎምና። ኢንፉዥን ገይሮምሉ ኣለዉ።
- ኣላህ! እዚ ሕማም’ዚ…
- ድሓን’ዩ ኣይትሻቐሊ። ድሓን ኣሎ።
- ንሕና’ሞ ብዘይክኡ መን ኣለና?
- ረቢ ኣለና። እዛ ዘረባ እዚኣ ድሕሪ ሕጂ ከይትደግምያ።
- ሎሚ ምሳኺ ከይደ ክርእዮ’የ ኣደ።
- ኣቲ ጓል ኣደብ’ስከ ግበሪ።
- ኣደ፡ ኣይደሓንክን ዲኺ? እንታይ ድኣ ስቕ ኢልኪ?
- ድሓን’የ፣ ባዕለይ’የ። (? ? ?) ብነብሰይ’የ
- ኣደ፡ ሎሚ ዝገበርናዮ መርመራ ኩሉ ደፊነዮ።
- እንታይ’ዩ ደፊነዮኸ?
- ብዘይካ ማትስ ኩሉ ዓሰርተ ካብ ዓሰርተ ኣምጺኤ።
- ኣደ፡ ሎሚ እንታይ ኰንኪ ኣለኺ? ስቕ ኣብዚሕኪ! ትምኒተይ ካብ’ዛ ጸባብ ገዛና
ክንገላገልን ንኣቦይ ድማ ኣብ ትምህርተይ ነፊዔ ባዕለይ ሰሪሔ ክዕርፎን’ዩ።
- እወ ሓቅኺ። ግን ካብ ሓሳድ የድሕንኪ። ዕድመን ጥዕናን ድማ ይሃብኪ’ዛ ጓለይ
ንፍዕቲ።
- ኣደ፡ እንታይ ተረኺቡ’ዩ ሎሚ ነዛ ሓሳድ እትብል ቃል ትደጋግምያ ዘለኺ? ድሓር
ርኢኺ ኣደ፡ ከም ናይ እንዳ ኣቦይ ሳልም ዓቢ ሳሎን ክንገዝእ ኢና።
- ድሕሪኡኸ? ዓይኒ ጸላእትኺ ይደፈን!
- ድሕሪኡ ከኣ ፍላት ስክሪን።
- ድሕሪኡኸ?
- ድሕሪኡ ድማ ድኳን ተኻርየ በዚ መሃያይ እናእተኹ በቲ ድማ መነባብሮና
ከመሓይሽ’የ።
- ኣነ’ውን ተስፋይ ንሱ’ዩ። መጀመርታ ግን ረቢ ዕድመን ጥዕናን ይሃብኪ’ዛ ጓለይ!
- ሎሚ ብጥምየት ተሰኒፈ ኣለኹ።
- ሳምያኸ ድኣ እንታይ’ያ ትዕግስቲ ገይራ?
- በተን ዝነበራኒ ሰልዲ ፓኒኖ ገዚኤላ ነይረ።
- ሓቃ እንድያ ድኣ ከይትግደሰልና።
Scene 254
- ከመይ ውዒልኪ ሳምያ?
- መርሓባ ሶሲ! ከመይ ውዒልኪ? ማዕሌሽ! ሞቦይለይ ኣብ ሳሎን ገዲፈ ኣብ’ቲ
ጋርደን ጸኒሔ። ኣብ ገዛና እንተመጺእኪ ኣብ ውሽጡ ክትጠፍኢ ኢኺ!
- ኣታ ሓሳዊ ንምንታይ ትሕሱ? ገዛና ካብ መዓስ ገፊሑ?
- ኣቲ ሳምያ እንታይ ኰንኪ ኢኺ? ንምነ ኣለና፣ ኣይተረድኣናን።
- እቲ ሓሶትካ ግን ክጽብቕ! እስኪ ኣዕልለኒ? ክጥዕም
- ተዓመቲ’ሞ፣ ሕጂ እንታይ ትሓስቢ ‘መስለኪ፡ ገዛና ዓባይ ቪላ’ያ። ኣብ ውሽጣ
ጋርደን ኣለዋ። ኣብ’ቲ ጋርደን ድማ መሓምበሲ ኣለና፡፡ ነናትና መደቀሲ ክፍሊ’ውን
ኣለና።
- ኣቱም እንታይ ወሪዱኩም? ዓይንኹም ንምንታይ ትዕምትዎ ኣለኹም? ኣዑዝብላሂ
ምን ሸይጣን ኣረጂም!
Scene 302
Scene 306 A
- ሰላም ወዓለይኩም!
- መርሓባ! ኣርሕብ ንቐደም በል!
- ድሃይ እንታይ ኣሎ? ድሃይ ካብ ዘይረክብ ደርጋ ካልኣይ ወርሐይ ገይረ።
- ኖራይ ድሕሬኻ ብርቱዕ ሕማም ሓሚሙ ነይሩ። ሕጂ ግን ድሓን ኣሎ።
- ኖራይ ገና ኣይሓወየን። ድሓር እዚ ሕማሙ ሕማም ጽላለ ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ።
- እዋእ! እንታይ ጽላለኡ? ጸገም ኩሊት ኣጋጢሙዎ’ሞ ሰሚዕና።
- እዚ ሰብኣይ ሕማም ኩሊት የብሉ ሕማም ጉርንጉሪት የብሉ። ጠላም ኢዩ።
- እንታይ ትብል ጃብር? እንታይ ሓድሽ ነገር ተረኺቡ?
- እዚ ሕማም የብሉን እብለኪ ኣለኹ። ንዓና ከሕምም’ዩ። ሎሚ ዝገበሮ ኣይሰማዕክን
ዲኺ? ካብ ገዝኡ ኣባሪሩኒ።
- እንታይ ትብል? እንታይ ኣምሲሉ የባርረካ?
- ሓሚመ ከለኹ ኣይርኣኻንንዶ እንታይዶ ኢሉ ኣባሪሩኒ። ጸኒሑ ግን ነታ ናይ ልቡ
ኣውጺኡዋ።
- እንታይ’ያ ናይ ልቡ? ንዓኻትም’ውን ኣረኻኺቡልኩም?
Scene 306 B
- Scene ?
- በዚ ኮፍ በሉ ኣቦሓጎይ።
- ሰላም ወዓለይኩም እንዳ ኣዳላ!
- ዓለይኩም ወሰላም! መርሓባ!
- ጥዕናኹም ከመይ ኣለኹም?
- ማሽኣላ! ማሽኣላ ጽቡቕ ኣለና።
- እዋእ! እንታይ ድኣ ውጽኣ ኢልካየን ነተን ኣዋልድ።
- ደሓን’ዩ፣ ባዕለን ኢየን። ሎሚ ለይቲ ዘኪርናኩም ኔርና።
- ሎሚ ለይቲ ጥራይ? እቲ በላዒ ሰብኣይ ደንጉዩዶ ኢልኩም?
- ኣላ ኣቦይ መርከ! ንስኹም ቤተሰብኩም ክትርእዩ ኢኹም ትመጽኡ’ምበር ንመግቢ
መዓስ ትመጽኡ።
- ሓቅኻ ኣለኻ ኣዳላ ወደይ። ድሓር ዘመድን ቤተሰብን ምብጻሕ ረቢ ይፈትዎ’ዩ።
እዘን ዘይጠቕማ ወደይ ካብ ወጻኢ ዝሰደደለይ ሰናቲም ወርሓዊ ናብ ኣስመራ
የምጽኣኒ ኣለዋ። ግን ከኣ ንዓኹም ንምርኣይ ሓጊዘናኒ።
- ኣቦይ መርከ፡ ነዘን ገንዘብካ ሓንቲ መዓልቲ ናባና ወስ ዘይተብለን? ነዘን ኣዋልድና
ንጥራዝን ንምዝገባን ምሓገዛና ነይረን። (? ? ) መርከ
- እወ ሓቅኻ። ግናኸ ካብ ኣውቶቡስ ዝሓልፋ ኣይኮናን። ደሓር ድማ ዕዳ ኣጽኒሕና።
- ንጻወተኩም ኣለና ኣቦይ መርከ። ጸገማትኩም ንፈልጦ ኢና። ኣነ ናብ ስራሕ
ክኸይድ’የ። ኣዕርፍ።
- ጸላኢኻ ይኺድ! ድሓን ወዓል እዚ ወደይ!
- ኣቦይ መርከ! (? ? ?) መርከ
- ኣሃ?
- መግቢ ክሳብ ዝገብረልኩም ኣዕርፉ።
- ጽቡቕ፡ ጽቡቕ። ሰብኣይኪ ድማ ምስኪናይ ከይበልዔ ስራሕ ኣለኒ ኢሉ ከይዱ።
- ድሓን ኣቦይ መርከ። ንሱ በሊዑ’ዩ። (? ? ?) መርከ
- ጽንሒ፡ ጽንሒ፣ ተመሲሕኩም ዲኹም?
- እወ።
- ወይለይ! ንስኹም እንተተመሲሕኩም ድኣ ሎሚ ሽውሃተይ ተዓጽዩ’ዩ ዘሎ። ብዙሕ
ሸገርገር ኣይትበሊ። ቁሩብ ርግኦ ወይ ብራሕ እንተለኪ ግን ግዓት ጥራይ ምፈተንኩ
ነይረ።
- ኣላ ኣቦይ መርከ! (? ? ?) መርከ
- ካልእ መግቢ ግን...
- Scene 167
- ድሓንዶ ውዒልኩም?
- መርሓባ! መርሓባ!
- ዘገርም’ዩ! ደቂ-ኣንስትዮ ቀልጢፈን’የን ዝጉብዛ። ጓልኩም ድሕሪ ደጊም ጎርዞ
ኮይና’ያ ጎርዞ።
- ወዲኸ ኣቦይ መርከ? (? ? ?) መርከ
- ስምዒ ክነግረኪ፡ ጓል ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ክንዲ ዓኾር ገመል ትወስኽ ኢሎሞ።
ወዲ ድማ ክንዲ ዓኾር ጤል። ንሳ’ውን ትማቐሎ ኢሎም። (? ? ?)
- ኣቦይ መርከ፡ እዚ ሎሚ ንሰምዖ ኣለና።
- ንሳኸ ምህሮ ኣይወድኤትን? ትምህርቲ ንደቂ-ኣንስትዮ ጸገም ኢዩ። እንታይ በዲላ
ናብ ቤት-ትምህርቲ ኮለል ተብሉዋ? ክተዕርፍ ዘይትገድፉዋ።
- ገና 10 ይ ክፍሊ ትመሃር ኣላ። ኣይወድኤትን።
- 10 ይ ክፍሊ!? በቃ! ድሕሪ ደጊም ይኣኽላ። ኣመርዕውዋ ጥራይ።
- መርዓ ትምህርታ ምስወድኤት ተርክበሉ። ድሓር እዚ ዘረባታት’ዚ ኔው በሉዎ!
እንተሰሚዓቶ ክትኩሪ’ያ።
- ንጓል-ኣንስተይቲ ካብ ትምህርቲ መርዓ’ዩ ዝሕሻ። ድሓር እንታይ ዝጠቅም
ትምህርቲ’ዩ! መርዓ’ዩ ዝጠቅም መርዓ!
- ንሳብሪን ጓለይ ትምህርትኺ ግደፊ ዝብላ ጸላኢኣ’ዩ። ሕጂ ከይትሰምዓኩም ኣቦይ
መርከ፣ ስቕ በሉ። (? ? ?) መርከ
- ድሓን፣ ግን እቲ እትምርዓዎ ሰብኣይ ከምኣ ምሁር እንተዘይኮይኑ ሰላም ትህቦዶ
ትብሉ?
- እንታይ ክትብሎ ድኣ?! ድሓር ከኣ ምናልባሽ ንዓኣ ዝመስል ምሁር ትምርዖ
ትኸውን። ሕጂ ኣቦይ መርከ በጃኹም ስቕ በሉ። ነዚታት ንሓብኣላ ኢና። (? ? ?)
መርከ
- እንታይ’ዩ ካባይ ዝሕባእ?
- ንኣቦኺ መርከ እታ ጋስትራይቱ ኣሸጊረቶ’ሞ ቁሩብ ካብ’ቲ ናይ ሳምያ ጸባ ሂብናዮ።
ንሳ ከይትሰምዓና ኢልና ኢና።
- ራየት ጓለይ፡ ጸባ ኣትሪፉ እንተሎ ኣምጽእለይ። እስተሞኮይ ክሳብ ሕጂ
ኣይገደፈትንን።
- ኣላ ኣቦይ መርከ። (? ? ?) መርከ
- Scene 316
- ሳብሪን፡ ድሕሪ ደጊም ሳንጣኺ ኣውርድያ።
- ኣነ ክመሃር’የ ኣቦ።
- ካብ ሎሚ ንድሓር ትምህርቲ የለን። ከም’ዚ ኢልኪ ክትምርዓዊ ኣይኮንክን።
- ኣነ ኣይምርዖን’የ ኣቦ። ትምህርተይ ክቕጽል’የ።
- ኣዴኺኸ ኣበይ ኣላ?
- እንታይ ፈሊጠ! ንሳምያ ክተምጽኣ ከይዳ ትኸውን።
- ኪዲ እብለኪ ኣለኹ። ድሕሪ ደጊም ትምህርቲ ዝብሃል የለን።
- ኣቦ በጃኻ ክፈተኒ! በጃኻ ክፈተኒ ይባ!
- ሳብሪን! ሳብሪን! እንታይ ኰንኪ ሳብሪን?
- ክፈትኒ ኣደ! ክፈትኒ!
- ቅድሜኺ ይስጥሓኒ! ሳብሪን እንታይ ኰንኪ? ኣባይኪ! እንታይ ኮይንኪ?
- ኣቦይ ንትምህርቲ ከይከይድ ዓጽዩኒ።
- ኣብ’ዚ ተባጺሕና? ድሓን ክንርኤኤ ኢና!
- በቃ! ሕጂ ንትምህርቲ ክኸይድ’የ።
- ከም’ዚ ኢልኪ ኣይትኸድን ኢኺ። ግዜ’ውን ከይዱ’ዩ።
- Scene 308
- ሳብሪን፡ በቃ ክትምርዓዊ ኢኺ።
- ኣቦ፡ ኣነ ንመርዓ ኢለ ካብ ትምህርቲ ኣይቦኩርን’የ።
- መነባብሮኻ ክተመሓይሽን ካብ ድኽነት ክተገላግለካ እናመነየትን ካብ ትምህርቲ
ትኽልክላ?
- እወ፣ ካብ ትምህርቲ ትወጻእ እብል ኣለኹ። ድሓር ነዛ ጓል ባዕልኺ ኢኺ መርዓ ከም
ትኣቢ ትገብርያ ዘለኺ።
- ኣደይ ዝገበረቶ የብላን። ወይ ትምህርቲ ወይ ሞት!
- እወ፡ ሰሚዕካያዶ? ንሓውኻ ክተሐጉስ ክትብል ንጓለይ ክትቀትል? ኣነ ምስ ጓለይ
ኣለኹ። ቀደም ዝገበርኩሞ ይኣክል።
- ኣዑዝብላሂ ምን ሸይጣን ኣረጂም! ያ ጀማዓ እዚ እንታይ’ዩ?
- ዘረባና እዛ ዝሰምዕካያ’ያ በቃ!
- እዛ ጓል ናብ ቤት-ትምህርቲ ተንከስ እንተኢላ ክትርእያኒ ኢኽን።
- ድሓን ንርኢ።
- Scene 310
- ብሰንክኹም’ዩ። መርዓ ድማ ብዘይ ድልየት ኣይከውንን’ዩ፡
- ኖኖእ! ጠንቂ ኣነ ኣይኮንኩን፣ ንስኺ ኢኺ።
- ኣቦ እንታይ ድኣ ቃልኩም ዓጺፍኩም? እንታይ ትብሉኒ ኔርኩም?
- ሳብሪን ጓለይ፡ ሕጂ’ሞ ንኣቦኺ ኖራይ መርዓ ኣብያ ክንብሎ?
- ሕጂ ኣብ መጻውድያ መርዓ እንተኣትየ’ሞ ከመይ ገይረ ክመሃር እኽእል?
- ኣባይኪ ሳብሪን ጓለይ! ንሕና እንታይ ንግበር ኢልክና? መርዓ ብዘይ ድልየት፡ መርዓ
ትሕቲ ዕድመ፡ ምውጻእ ካብ ትምህርቲ! ኩሉ ካብ ሓድሕዱ ገዲዱና ኣሎ።
- ኣቲ ሰበይቲ ክንዲ ትጥብርያን ትምዕድያን ምስኣ ኰንኪ መርዓ ከምትሕሰም
ትገብርያ? ዘይትጥብርያ?
- Scene 313
- ኣቦ ጽቡቕ ጌርኩም? እዚ’ዩ ነይሩ ትምኒተይ? በቃ ድሕሪት መሊስኩምኒ።
- ድሕሪት ኣይተመለስክን ‘ዛ ጓለይ። ምስ ተመርዓኺ ትምሃሪ። ጀማል ባዕሉ
ከምህረኪ’ዩ።
- ኣቦ፡ ጀማል ጀማል ኣይትበሉኒ!
- ዘገርም’ዩ! ሰብ ብናይ ሓደ ሰብ ርእይቶ ይምራሕ?
- ኣቲ ጓል ንሕና ንዓኺ ዝሓይሽ ኢና መሪጽና። ካብ ጀማል ዝሓይሽ ሰብኣይ ኣበይ
ክትረኽቢ?
- ኖራይ ስለዘብለዓኩም ኢኹም ከየገናዘብኩም ሕራይ ኢልኩሞ።
- ኖራይ ንበይነይ ኣብሊዑኒ? ሃብቱ በሓንሰብ ንበልዖ ኣይነበርናን ዲና? መርዚ ብልዒ!
- እቲ ዝህበና ዝነበረ ንሳብሪን ምእንቲ ክረክብ ምዃኑ እንተዝርድኣኒ
ኣይምተቐበልኩዎን፣ብሕብንተይ ከኣ ምተረፍኩ።
- ኩሉ’ቲ ዝሃበና ምለሱሉ። እታ ብሽክሌትኡ ሃቡዎ። ነዚ’ዩ ህያባት ዝህበኒ ዝነበረ?
ትምህርተይ ክቕጽል’የ ኣነ።
- ኣቲ ጓል ስቕ በሊ! ዘረባ ኣይትግበሪ።
- እዚ ኮይኑ ዕድለይ? ኣሕ!
- ሳብሪን! ሳብሪን! ኣቲ ሳብሪን!
- Scene 214
- ክድቅስዶ ወይስ ድራር ከናዲ?
- ዘይሽሮ ኢዩ ዝኸውን፣ ድቃስ ይሕሸኒ።
- እዛ ተካል ከብዲ ኣይተደቅንኒን’ያ። ኣብ’ቲ እነሃለ እቲ ድስቲ…
- ኣነ’የ መንሱር’የ ኣደ!
- መንሱር መጺእካ? ተደረር በል።
-
Scene 214
- Scene 262
- እታ ኣብሪቕ ኣብቲ ሸቓቕ ኣላዶ?
- እወ፣ ኣብኡ ኣላ። ማይ’ውን ኣለዋ።
- ኣደ!
- ሃቢ እስኪ እታ ሪሞት!
- መንሱራይ ሓወይ፡ እዛ ፊልም ክውድኣ ዘይትገድፈኒ?
- ስቕ በሊ እስኪ! ኩዕሶ ይሓልፈና ኣሎ።
- ኣታ በዳን ፈሊጠካ ኣለኹ። ንዒቕካኒ ሙሽ ንዓይ? ድሓን! ንበዓል ሳብሪን ሓፍተይ
ግን ከምኡ ኣይትገብረንን ኢኻ።
- መንሱራይ!
- ኣሃ?
- እታ ቴለቪዥን ኔው በላ። ኣቦኻ ሮመዳን ምሳኻ ከዕልል መጺኡ ኣሎ።
- ሓንሳብ! ኩዕሶ ይሓልፈኒ ኣሎ።
- Scene
- ኣቦይ ሮመዳን ከመይ ኣለኻ?
- ንስኺ ኪዲ።
- እንታይ ድኣ ሎምስ ኮሪኺ ሳብሪን?
- ባዕለይ እየ። (? ? ?)
-
- ሓቃ ኢያ፣ ብሽክሌታን ሽልማትን እንድዩ ዝህባ ነይሩ። ምስኪናይ መንሱር ግን
በዘይካ ጸርፍን መግናሕትን እንታይ ርእዩሉ።
- ሕጂ ናብ ኣስቢዳለ ኬድካ ዘይትርእዮ ድራረይ።
- ስምዓኒ መንሱር ወደይ፡ ንስኻ ንፉዕ ኢኻ። ነዚ ኣቦኻን ነዘን ኣሓትካን ርኤ። ስራሕ
ሰብኣይ ስራሕ። ነዚ ኣቦኻ እስከ ርኣዮ። ንዓኹም ከዕቢ በዛ ብሽክሌትኡ ኣብ ትሕቲ
ሰብ ይሰርሕ ኣሎ።
- እወ መንሱራይ፣ ኣቦኻ ሮመዳን ደላይ ጽቡቕካ ስለዝኾነ ኢዩ።
- እንታይ ኰንኪ ሳብሪን ጓለይ? እንታይ ድኣ እዝንኺ ሒዝኪ? ዕልልታ ብስራት ተስፋ
እንድዩ!
- ንዓይ ግን ብስራት ዘይኮነ መርድእ’ዩ።
- ብኸመይ?
- ከም’ዚ ዓይነት በላዒት ሰበይቲ ኔው በላ! ካልእ ገዛ ስኢና ድያ ንሳን ወዳን ኣብ’ዛ
ጸባብ ገዛ ትመጽኣኩም? (? ? ?)
- ክተሸግረና ኢላ ኣይኮነትን መጺኣትና። ዘጽንሓላ ስለዝሰኣነት’ያ። ንሕና ድማ
ጎረቤት እንዲና!...
- ነቲ ቈልዓ ካብ’ቲ ዘምጸእኩዎ ጸባ’ስከ በጽብጽሉ። ብዙሕ ኣይተሕፍስሉ ከኣ፣ ቈልዓ
እንድዩ!...
- እቲ ትብልዎ ዘለኹም ጸባ ዳርጋ ተውዲኡ’ዩ። እንተኣኺሉዎስ ሕራይ።
- ኮፍ በሊ ሳቡ።
- Scene 351
- እቲ ወረ ካበይ ከምዝረኸበቶ፡ ‘መንሱር ንመንሱራ ክምርዓዋ’ዩ ኢሎሞ፣ እዚ
ሃላይ’ዚ ከመይ ገይሩ ንጓለይ ይምርዓዋ?’ ኢላ ጸርጸር ትብል ነይራ።
- ንመንሱር ወደይ ሃላይ ኢላቶ? እዛ መበጻጽሒት፣ ክፍእቲ፣ ግናይ! ጽንሒ ጥራይ
ክትርእየኒ ኢያ።
- እዚ ዕዋላ ከመይ ገይሩ ንጓለይ ይምርዓዋ ኢላ ላዕልን ታሕትን ትብል ነይራ።
- እንተበልናዮኸ ይኣምነናዶ?
- ጓለይ ትምህርታ ከይወድአትን ኣብ ዕድመ መርዓ ከይበጽሐት ኣይትምርዖን’ያ።
ክሳብ ሽዑ እጸንሕ እንተኢሉ መርሓባ! እንተዘይኮነ ድማ ጻዕዳ ይጽንሓዮ።
- እንታይ መዓቱ’ዩ? ኩሉ ካብ ሓድሕዱ ዝገደደ?!
- Scene 329
- ካብ’ዛ ጓል ንስኺ ገዲድክኒ።
- ኣታ ሓሳዊ መበጻጽሒ!
- ከቢድ ጾር ይራይ ኢልካ? ሓላፍነት እንዳ ወድን ጓልን እንድዩ ተሰኪሙ ዘሎ።
- እወ!
- ኩሉ ወሪዱ እንድዩ?
- ኖራይ በስመኣብ በል። ጃብር እንታይ ገይሩ? ጃብር የለን። ቅድሚ ሰሙን ደቁ ክርኢ
ገይሹ ኢዩ።
- ንስኻ ንርእስኻ ከም ሰይጣን መዓስ ደበኽ ኢልካና። ንስኻን ንሱን ምምጻኣኩም
ኣይፍለጥ ምኻድኩም! (? ? ?)
- ኣነ ነቲ ወረ ምስሰማዕኩ እዚታት ምእንቲ ከይርከብ ክዓርቀኩም ኢለ ስሔይ
ገዲፈ’የ መጺኤ። ካብ ዝፈራሕኩዎ ግን ኣይወጻእኩን። ሕጂዶ ይሓይሽ ጓልና
ኣጥፊእኩም?
- ንሕና’ውን ግደፉ ኢልናኩም ኔርና ኢና። ግን ዘረባና ኣይሰማዕኩምን ያጀማዓ።
- ስቕ በል!
- ኣይፋልካን መንሱር ወደይ! ንስኻ ንሳምያ ሓፍትኻ ሓሉ። ንሳ’ውን ንእሽቶ እንድያ፣
ንበይና ኣይንገድፋን ኢና።
- ኩሉ እዚታት ኣየድልን’ዩ። ሰባት ኣዋፊርና ኣለና ንብለኩም ኣለና። ንስኻትኩም
ቴለፎናትኩም ኣይተጥፍኡ። ሓበሬታ ዝረኸበ ክድውለልኩም’ዩ።
- መን’ዩ መንሱር?
- እስኪ ሃባ፣ ሃለው! ሳብሪን እንታይ ኮይና ትበኪ ኣላ ዘይነብ ሓፍተይ? መርሓባ!
መርሓባ!
- ያጀማዓ ሕጂ ኣብ ሕማቕ ከይትወድቕ መርዓ ዝብሃል ኣይተልዕሉላ።
- ስቕ በል ሮመዳን!
- መዓልኩም?
- መርሓባ!
- መርሓባ!
________________________________________________________________
- Scene ?