You are on page 1of 266

Scene 426

“ወዲ ሰብ ደም ሓሊብካ ብጸቢብ ሓዞ” በለት ወኻርያ። (? ? ?)

እዚ ምስ’ዚ ትገብሩዎ ዘለኹም ሕሳብ እንታይ ኣራኸቦ? (? ? ?)

ኩነታት እንዳ ኣዳላ’ዩ ከምኡ ከም ዝብል ገይሩኒ። ከም’ዛ ዘየብላዕና፡ ዘየስተናን ዘይከደንናን
ጠሊሞምና።

ከም’ዚ ይገብሩ ኣይበልናን። ኩሉ ነገር ትዕድልቲ’ዩ። መወዳእትኡ የጸብቆ!

ብልዑልና፡ ስተዩልና፡ ሽግርኩም ፍትሑ ስለዝበልና ጠሊሞም። ሕሱራት!

ሓወይ፡ ሓወይ እናበልኩም ኣብ ርእስና ሸይሸይ ኣቢልኩሞም። ደም ክተኽሉ


እንተዘይደልዮም ንመንሱራ ጓለይ ከይሓትቱላ!

ብንጹህ ልቢ እንተዝሓተላ መባድልቲ’ውን ምሓሰብናላ። ብሰብ ተመኺሩ ኣብ ዘይእዋኑ


መደብና ፋሕ ኣቢሉልና። (? ? ?)

ግና ክንምለሶም ከኣ ትብሉ ኣለኹም (? ? ?)

ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ’ዩ ነገሩ። ዝሓሰብኩዎ ክሳብ ዝገብር ምስ ኣዳላን ራየትን
ክዕረቕ’የ።

ጃብርከ?

ጃብር ሽሙ ከይተልዕልለይ። ቅድም’ውን ንሱ’ዩ ኣህዲሙዋ። ሕጂ ግን ድሓን።

እንታይ ትብሉ ኣለኹም? ነዚ ዓሻ ወዶም መንሱራ ክሓትቱሉ!? መንግስቲ ሳብሪን ትሕተ-


ዕድመ’ያ ኢላ ከልኪላትክም ነይራ። (? ? ?)

ንመንሱራ ኣይረኽቡዋን ኢዮም። መባድልቲ ስቕ ኢልካ መዓስ ኮይኑ! ዓሻን ለባምን


መባድልቲ ኣይኮኑን’ዮም። መንሱር ሰበይቲ እንተደልዩ ባዕለይ መምጻእኩሉ። ጃብር
ንመንሱር እንተደንጊጹሉ ካብ’ተን ደቁ ይሃቦ።

ራየት እንተድኣ ሒዝኩም ክትዕወቱ ኢኹም።

ዘይከውን እስከ ኣይትዛረቢ። ሰበይቲኸ መን መማኽርቲ ሰብኣይ ገይሩዋ? ኣነስ ምስ ራየት


ኮፍ ኢለ ክማኸር ትደልይኒ ኣለኺ? ወይ ጉድ!

ኮይኑኩም ደቂ-ኣንስትዮ ክትንዕቁ!? ትዕቢተኛ ኣይዕወትን ኢዩ።


ገና ክርእዩኒ ኢዮም። ኣነ በዚታት ኣይስዓርን እየ። እሞ ከኣ ብራየትን ኣዳላን! ብትምክሕቲ
ነዛ ጓል’ዚኣ ብትምክሕቲ ከም እንምርዓዋ ኣይትጠራጠሪ። ብውሽጠይ ሓዊ እየ ዝቃጸል
ዘለኹ።

ብትምክሕቲዶ ኢልኩም? ድርቅናኽም ንበይኑ ኢዩ። ድሓን በሉ ፈትኑ።

ፈተነ ጥራይ ኣይኮነን። ከም ዝዕወት ኣይትጠራጠሪ። ብገንዘብ ንዝግበር’ውን ድሕር


ኣይብልን’የ።

ክትርእዪ ኢኺ ኣደ አርሄት! ኖራይ በዚኣቶም ኣይስዓርን’ዩ!

ምስ ጀማል ዘይትዕረቑ? በዚ መርዓ ትሓትቱሉ፡ በዚ ከኣ ትባተኹ። ገዝኡ ገዲፉ ሸቃላይ


እንዳ’ማቱ ኢዩ ኮይኑ ዘሎ። መርዓ’ውን ዕርቂ እንተ’ሎ ኢዩ ዝግበር።

ኡፍ! ባዕልኻ ምሓረኒ ልዑል ረቢ!

Scene (ዕልብ Scene አለበ። ጀዚረ በነ ትትሓረክ)

ጠፋእኩ! ጓለይ ሞይታ! በጃኺ ይስጥሓኒ! ቅድመኺ ይስጠሓኒ!

ዎ ኩሉ ዝከኣሎ ረቢ! እንታይ ተረኺቡ? እንታይ ተረኺቡ?

ዋይ ኣነ ጓለይ! ዋይ ኣነ ጓለይ! ዋይ ኣነ ሓሳረይ!

Scene (ዕልብ Scene አለበ እብ መኪነት ጀዚረ አስክ ሙስተሽፈ እት ነስኦ)

Scene 460

ሕጅስ መርዓ ክዕወት ኢዩ። ጀማል ኢዩ ዝዕንቅፈና ዘሎ’ምበር አዳልስ ተዳልዩ ኣሎ።
(? ? ?)

እቲ ሽግር ኣዳላ ኣይኮነን። ኣዳላ ካብ ኢድኩም ኣይወጽእን’ዩ። እቲ ጸገም ራየትን ጓላን


ኢየን። ኣይተቐበልኦን።

ይቀበልኦ ኣይቀበልኦ ኣይግድሰኒን ኢዩ። እቲ ከም ምኽኒት ዝጥቀማሉ ዝነበራ መርዓ በደላ


ተቐቢለዮ ኣለኹ።
እንታይ ትብሉ ኣለኹም!? እዚ ኩብላልያን ሃላይን ትብሉዎ ዝነበርኩም ውዶምስ ንጓለይ?
ኣይከውንን ኢዩ።

ኣንቲ ሰበይቲ፡ መርዓ ጀማል በዚ በደላ ኢዩ ክኸውን። በደላ ከኣ ብኣና ኣይተጀመረን።

ኣይቅበሎን እየ። ንጓለይ መባድልቲ ንእንዳ ኣዳላ ኣይህባን’የ። ስቕ እንተበልናስ ኩሉ


ባዕልኽም ትውድእዎ?

ሰሚዔኪ ኣለኹ። ኣብ’ዚ ጉዳይ እንተዘይተሰማሚዕኪ ዝገብሮ ኣሎኒ። ሕጂ ነታ ቈልዓ


ጸውዕያ። ጽባሕ ጸገማት ከይትፈጥረልና።

Scene 462

ሃየ ባባ?

ባቢ፡ ኣነ ነዞም እንዳ ሓወ’ቦይ ኣዳላ ጸሊኤዮም ኣለኹ።

መንሱራ ጓለይ፡ እንዳ ሓወ’ቦኺ ኣዳላ ንመርዓ ይሓትቱልኪ ኣለዉ።

እንታይ ትብሉ ኣለኹም? ኣነስ ነዚ ሃላይ ክምርዖ? ሞት ይሓይሽ!

ጸላኢኺ ይሙት እዛ ጓለይ። መርዓ በደላ ዝነበረን ዘሎን’ዩ። ትምርዓውዮ፣ እንተዘይጠቒሙ


ትፍትሒ። ከም’ቲ ‘ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ’ ዝብሃል ኢና ንገብር ዘሎና። ስምዕና፣
ተባረኺ። ሕራይ በልና።

እዚ ከመይ ገይሩ ይኸውን? ሰብኣየይ እዚ ሃላይ መንሱር፡ ሓማተይ እዛ ነግራም ራየት!


ኣይከውንን’ዩ። ፈጺሙ ኣይከውንን’ዩ።

ንዒ መንሱራ፣ ኣይፋልክን።

ባዕልኻ ምሓረና ረቢ! እንታይ ሽግሩ ኢዩ እዚ!

ሰላም ስድራ!

መርሓባ! ንቐደም፡ በዚ ኮፍ በሉ።

ከመይ ኣለኹም ኣቦይ ኖራይ?

በዚ ኮፍ በሉ።

Scene 428

ንጀማል ናብ ድኳኑ ክንመልሶ ኢና። ስራሕ ድኳን ብዘይክኡ ኣይከውንን’ዩ።


እሞ ንባእሲ ኢልኩም ዲኹም ትመልሱዎ ዘለኹም ወይስ ደንጊጽኩምሉ?

ብቐደሙስ ዘይክእደብ ኢለ’የ ሰጒጐዮ። ደድሕሪ ጓል ሳልም ኮለል ምስ ጀመረ’የ ሰጒጐዮ።

ጀማል ከባኹም ይተርር። ኣይምለሰልኩምን ኢዩ። ምስ ጓል ሳልም እንተኸደ ደቂ ግዜ


ኢዮም።

ደቂ ዘመን ኢልኪ!? ንስኺ’ውን ደጊፍክዮም?! እዚ ኢዩ ስዲ ዝሰድዶም ዘሎ። (? ? ?)

እንታይ ድኣ’ሞ ክብል? ጓል ሓወቦኡ እንተሓተትኩምሉ ነጺጋቶ።

ንሳስ ብኣፍንጫ ትምርዓዎ።

መርዓ ብግዲ ንየው በሉዎ። ድርቅና ኣይሓዝክም። ጓል ኣዳላ ገዲፍኩም ካብ’ተን ደቂ


ሓወይ ዘይትሓትቱሉ?

ንደቂ ኣሕዋትክን ኣሓትክን እፈልጠን’የ። ናብራ ከተማ ኣይክእልኦን ኢየን። ድሓር ከኣ


ሳብሪን ኣይኮነትን ዝኣበየት። ብሰንኪ ጃብርን ራየትን ኢዮም። (? ? ?)

ጃብርን ራየትን ሕጂ’ውን ኣለዉ። ሕጂ’ውን ክመልኡዋ ኢዮም። (? ? ?)

ኣዳላ’ውን ጸላም መዓልቲ ውዒሉ። ዘረባ ሰበይቱ ሰሚዑ ኣግዲዑና። ብሰበይቱ ይምራሕ
ኮይኑ።

እቲ ሰብ ከኣ ኣዳላ ብኣኹም’ዩ ዝጉተት ይብል ኣሎ።

ንጀማል ካብ’ዛ ጓል ሳልም ክፈልዮ ክብል ኣብ ቅልጡፍ መርዓ ኣትየ። ገንዘበይ ተበቲኑ፣ ንሱ
ከኣ ኣይተመርዓወን። (? ? ?)

እዚ ምትህልላኽ ዘይትገድፉዎ። ምትህልላኽ ጽቡቕ ኣይኮነን።

Scene 466 (ህግየ አለበ። ኖራይ በኑ እት ሳሎኑ ለሐስብ)

Scene 419

ኣቦ፡ ተጋግየ እንተኾይነ ይቕሬታ ግበረለይ። እንካ፡ እዚ ደብተርካ’ዩ።

ጀማል፡ ድኳን ጓሕጕሕካ ንዓርክኻ ኣረኪብካዮ። ሕጂ ይቕረ በሉለለይ ምባል እንታይ


ይዓብስ?

እንታይ ገይረ? ቁሩብ’ስከ ኣብ ምንታይ ትነቕፉኒ ኣለኹም?


ብዓይነይ እንተዘይርእየካ ኣይምኣመንኩን። ትማሊ እንታይ ጌርካ? እታ ጉልባባ ዝቐልዐት፡
ፋሕ ዝበለ ጸጕራ፡ ጸቢብ ስረ ዝገበረት ጓል ምሳኻ ኣይነበረትን?

ኣቦ፡ እንታይ ትብሉ ኣለኹም? ዘረባኹም ይርድኣኒ የለን።

እቲ ክመጽኣካ ከለኹ ጓል ሳልም ተሰኪማቶ ዝነበረት ንብረት ናይ መን ኢዩ? ናተይ


ኣይኮነን?

ኣቦ ኣይትጋገዩ። ዓሚል ኢያ። ከም ሰባ ክትገዝእ ዝመጽኤት።

ዓሚል ኢያ!? ልዕለኻ ወዲ ሹቕ’የ። ክትቅሽሸኒ ኣይትፈትን። መንሱራ! መንሱራ!

መርሓባ ባባ?

ንዒ! ኣነ ሓቂ ኢየ ዝፈቱ። ዝሓበረኒ ኣይሓብእን’የ። ሕብእብእ የብለይን። ትማሊ ጓል


ሳልም ናብ ድኳንና ትኸይድ ነይራዶ ኢልክኒ?

እወ፣ ናብ ድኳንና እናኸደት ርእየያ ኢለኩም።

ኣሃ፡ እዚ እየ ዝበልኩኻ! ነዚ ኩሉ ድኳናት ሰጊራ ስቕ ኢላ ኣይመጽኣትካን። ንዓኻ ደልያ ኢያ


መጺኣ። ደድሕሪኣ ኮለል ክተብለካ። ክሬማት ገይራ፡ ጸቢብ ስረ ገይራ…

ባቢ፡ ከም’ዚ ትብልዎ ዘለኹም ፋሽን ኣይትኽደንን ኢያ። ንሳ ሓንቲ ፋራ ኢያ። ዕባየትን
ጻዕዳ መንዲልን’ያ ተኸዲና ነይራ። ካልእ ጓል ርኢኹም ከይትኾኑ።

ኣንቲ ሓሳዊት! ናድያ ትምጻእ ኣይትምጻእ ንዓኺ ዝምልከት ኣይነበረን። ባባ ከኣ ፍርሃት


ረቢ ይሃልኹም። እታ ዝረኣኹማ ጓል ዓሚል ኢያ። ናድያ መሲላትኩም። ድሓን፣ እቲ
ጠንቂ ድኳን እንተኾይኑ እገድፈልክም።

ናድያ እንድያ ድኣ መሲላትኒ።

ድሓን፣ እዚ መፍትሕኩም ኢዩ። እዚ ከኣ ደብተር ሕሳባትኩም ኢዩ። ንዓኹምን


ንጓልኩምን ድኳንኩም ገዲፈልኩም ኣለኹ።

ጀማል ኣይትሕረቕ። ናድያ’ያ መሲላትኒ። መንሱራ ሓፍትኻ ኣጋግያትኒ።

ናድያ ብኣከዳድናኣ፡ ብኣተዓባብያኣን ጠባያን ካብ’ዛ ተሐንቅቕዋ ዘለኹም ጓልኩም ሽሕ


ግዜ ትሓይሽ። ድሓን ኩኑ። ቻው።

Scene 471

ኣሃ (? ? ?)
ኣሃ፡ ኩሉ ድሉውዶ ኣሎ?

ተዳሊና ኣለና። ክንደይ ዝኣክል ሰብዶ ዓዲምኩም ኢኹም? ዘይመርዓ ጭልቖት ገይርክሞ
ዘለኹም። (? ? ?)

ድሓን፡ ድሓን ከምኡ ይሓይሽ። ኣሃ፡ መርሓባ ሼኽ ሳልሕ! ቃል ኪዳን ሰዓት ትሽዓተ
ክንገብሮ ኢና። ኣብ እንዳ ኣዳላ። እወ ኣብ እንዳ ኣዳላ ጽንሓና። ንመጽእ ኣለና።

መርዓዊ ከይመጽኤን ከየረዳእናዮን? እንታይ ቃል ኪዳኑ ኢዩ’ዚ?

እዚ ንዓኺ ዝምልከት ኣይኮነን። ዝተበሃልክዮ ግበሪ። ተዳለዊ። ጋሻኺ ተቐበሊ።

መንሱራ ጓለይ፡ ጀማል ሓዉኺ ኣበይ ኣሎ?

መጺኡ ነይሩ። ሕጂ ግን ናበይ ከምዘበለ ኣይፈለጥኩን።

ጸውዕዮ።

ቀልቲፍኪ ጸውዕዮ። ቀልጥፍ በልዮ። እንታይ ዓይነት ሰብ’ዩ እዚ!

Scene 496

ስምዓኒ ጀማል…

እሰምዓኩም ኣለኹ ኣቦ።

ሕጂ እውን ንዓና እንተሰሚዕካ፡ ከምኡ’ውን ካብ ተንኮል ሮመዳንን ጃብርን እንተድሒንካ


ኣብ ሱዳን ዘላ ጓል ሓወ’ቦኻ ዓፋ ክነሕጽየካ።

ነጊረኩም እንድየ! ሕጂ ኣይምርዖን’የ። ክምርዖ እንተደሊኹም ከኣ ምርጫይ ስምዑኒ።

ካብ ኣዝማድና እንተዘይኮይኑ ጓና ኣየምጸኣልካን’የ። እዘን ምሳኻ ዝዞራ ዘለዋ ኣዋልድ


መዋስብትና ኣይኮናን። በጃኻ ስምዓኒ!

ኣቦ፡ መን ጓና፡ መን ከኣ ወዲ ዓዲ ምዃኑ ንገረኒ።

ባዕልኻ ትፈልጥ!

Scene 542

ልብና ኣምሊቚካና ኣቦይ መርኬ። እቲ ኣብ ቀላይ ዝተረኽበ ናይ ጓል ረሳ ኢዩ።


እሞ እዚ ሓውኻ ናበይ ኣቢሉ? ኩሉ ሰብ ደልዩ ተሓሊሉ።

እንድዒ ናበይ ከምዘበለ! ብንእሽቶኡ’ውን እንተሓሪቑ ይሕክል ነይሩ ኢዩ።

እንታይ’ሞ እንታይ ጌርካዮ፣ ጓል ሃቡና እንተበልካ ዘይኣቕሪብካ ኢኻ።

መውስቦ ኣዝማድ መርዘን ኮይኑና ኣሎ። ብኻ ተሪፉና።

ሕጂ እንታይ ንግበር? ናበይ ገጽና ንድለ? ንመን ንሕተት? ለጋስ ሰብኣይ ጠፊኡና። ክጠፍእ
ዘይነበሮ ሰብኣይ!

ንስኻትኩም ብወገንክም ድለዩ። ንሕና ንኹሉ መደበራት ፖሊስ ሓቢርና ኣሎና።

ረቢ ባዕሉ የቕልሎ! ዘይጽወር ኩነት ኢዩ’ዚ። ብሩኽ፡ ዕጉስ፡ ተጻዋሪ፡ ዘየማርር ሰብኣይ’ዩ
ኣዳላ።

ይኣክል ምስጋና! ንኣዳላ ካባይ ንላዕሊ ዝፈልጦ የለን። በዲልናዮ’ምበር ኣይበደለን። (? ? ?)

ኩነታቱ ትፈልጥ እንተኔርካ ንምንታይ ተዋጥሮ! ብሰንክኻ ኢዩ ኣብ’ዚ ወዲቑ ዘሎ። ግደፈና
ያዓኺ!

ኣብ ሕሉፍ ኣይንዛረብ። ንስኹም’ውን ነቲ መርዓ ደጊፍኩሞ ኢኹም። ሕጂ ስለዝፈሸለ


ኣይንወቓቐስ።

ኣይትሕረቕ። ከይደ ኣለኹ። ንኣዳላ ከኣ ረቢ ባዕሉ ይምለሶ።

Scene 542 (ሕጪጭ ትብል ክርን እኪት ብዲበ።)

ጀማል ወደይ፡ ካብዛ ቈልዓ’ዚኣ ትበልጽ የላን። ስምዓና ተባረኽ። ሕጂ ንድሕሪት ምምላስ
የለን።

ተማሃሪት ኢያ። ዕድላ ክሰብር ኣይደልን’የ። ድሓር ከኣ ቅድሚ ሕጂ ነጺጋትኒ እንድያ።

ሰባት ኢዮም እበዪ ኢሎማ’ምበር ሳብሪን ኣይኣበየትን። ሕጂ ግን ምስ ሓወ’ቦኻ ኣዳላ


ተረዳዲእና ኣለና። ተዳሎ፣ ክዳንካ ቀይር። ኣዕሩኽትኻ ጸውዕ።

ሕራይ፡ ምስ ኣቦኣ ተረዳዲእኩም? ኣሞይ ራየትከ ተቐቢላቶ ድያ?

ራየት ተቐቢላቶ ኣይተቐቢላቶ ኣበይ ከይትበጽሕ። ምስ ኣዳላ ተረዳዲእና ኣለና። ውዱእ


ነገር’ዩ። ሰብ ይጽበየኒ ኣሎ፣ ከይደ።
Scene 384

ያ ጀማዓ፡ ናብ ነቢ ንሰሊ። (? ? ?)

ኣላህ መሰሊ (? ? ?)

ኣብ መንጎ ኣሕዋት ግርጭት ክህሉ ባህርያዊ’ዩ። ኣብ መንጎ ኖራይን ጃብርን ኣዳላን ንዘሎ
ግርጭት ክንፈትሕ መጺእና ኣለና። ረቢ ይሓግዘና!

እወ፡ መርዓ ንሓጐስን ውላድን ይደልዮ። ካብቲ መርዓ ንላዕሊ ግን ሕውነትኩም ይዓቢ።
(? ? ?)

እወ፡ ሰብ ይገራጮ፣ ድሓር ግን ይተዓረቕ። ነዚ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ሽግር ንፍትሓዮ። ሰብ


ዘዛርብ ዝነበረ ሕውነትኩም ናብ ቦትኡ ክንመልሶ ንደሊ ኣሎና።

ከምቲ ክቡራት ዝበሉዎ፡ መርዓ ፋሕ ኢሉ። ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዘይምስናይ ተፈጢሩ።


ነዞም ክቡራት ሰሚዕኩም ኖራይን ጃብርን ኣዳላን ተዓረቑ። ዕርቂ ረብን ሰብን ዝፈትዎ’ዩ።

ረቢ ይባርኽኩም ክተተዓርቑ ዝመጻእክም!ዕርቂ እንተደሊኹም ጥንቂ ጽልእና ጃብርን


ኣዳላን ስለዝኾኑ ይቕሬታ ይሕተቱኒ።

ኣይፋሉን፣ ዝሓለፈ ሓሊፉ ኢዩ። ሕጂ ይቕረ ተበሃሃሉ። ኣብ ዝርዝራት ኣይትእተዉ። ኣብ


ዝርዝራት እንተኣቲኹም ኣይክፍታሕን’ዩ።

ጃብር ኣንስቲ ስለዝወደበ፡ ኣዳላ ድማ ዘረባ ኣንስቲ ስለዝሰምዐ በደለኛታት ኢዮም። ኩሉ


ዝኸፈልኩዎ ገንዘብ ይመለሰለይ። እንተዘየለ ጓሉ ይሃበኒ። ጃብር ኢዩ ነታ ጓል ከምትሃድም
ዝገበረ።

ልክዕ ኢዩ እታ ጓል ናብ እንዳ ጃብር ከይዳ። ጃብር ግን ኣይነበረን። ገይሹ ኢዩ ነይሩ። ኖራይ


ዕርቂ እንተደሊኻ ስምዓና።

ኖራይ፡ ዕርቂ ብሓደ ወገን ኣይከውንን’ዩ። ክነወሓሓጥ ኣሎና። እዚ ንጃብር ዝበልካዮ ግቡእ
ኣይኮነን። ጃብር ዓቢ ሓውኹም ኢዩ። ከምኡ ኣይገብርን ኢዩ።

ሓቁ ኢዩ ሳልም። ዝሓለፈ ሓሊፉ’ዩ። ይቕረ ተበሃሃሉ ንብለኩም ኣለና። እንታይ ድኣ


ጃብርከ ስቕ ኢልካ። ገለ ዘይትዛረብ?

እዚ ኣገባብ እዚ ናይ ዕርቂዶ ይመስል? ኣነ ጓል ተኸሊኤን ከም ጓና ተቘጺረን ከለኹ


ንዕርቅን ስኒትን መጺኤ ነይረ። ዘረባ ኖራይ ግን ሰሚዕኩሞ ኣለኹም። ብዘይገበርኩዎ
ጠቂኑኒ ኣሎ። እዚ ዘባእስ’ምበር ዘተዓርቕ ኣይኮነን። ምእንታኹም ግን ይቕረ ኢለሉ
ኣለኹ።

ረቢ ይባርኽካ ጃብር!
ኣይተረዳእኩምንን። ዕርቂ እንተደሊኹም እዛ ገንዘበይ ዘጥፋእኩላ ጓል ንወደይ ከምትምርዖ
ግበሩ። እንተዘየለ ክንዕረቕ ኣይንኽእልን ኢና። ኣዳላ ከኣ ሰብ ብዝበሎ ስለዝምራሕ
ኣይጠቅምን’ዩ።

ኣዳላ ብሰብ ከምዝምራሕ ሎሚ ፈሊጥካዮ? ብሰብ ከም ዝምራሕን ነብሱ ከምዘይክእልን


ዝገበርካዮ ንስኻ ኢኻ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ምሳይ ኣባኢስካዮ።

ኣነ ንዕርቂ ኢየ መጺኤ። ተተበራርዮም ክጸርፉኒ ኣይመጻእኩን። በቲ ኩነታት ከኣ ኣነ ኢየ


ተበዲለ።

ኖራይ፡ እዚ ትብሎ ዘለኻ ዘተዓርቕ ኣይኮነን። ዘባእስ ኢዩ። ንሕና ሕድገታት ግበሩ ኢና
ንብል ዘለና። ኣይኮነን ድዩ?

እወ፡ ንሱ’ዩ።

ስማዕ ሳልም፡ ንስኻ ምስ ጃብርን ኣዳላን ከም ዘለኻ ፈሊጠካ ኣለኹ። ካብ ፍሽለት’ዚ


መርዓ ዝረብሕ ከኣ ንስኻ ኢኻ።

ኣነ ካብ ፍሽለት መርዓኹም እረብሕ?

እወ ትረብሕ!

ብኸመይ እረብሕ? ኣነ ምሳኹም እንታይ ዘራኽብ ኣለኒ። ባፋንኩሎ!

እንታይ ኣራኸቡኒ ትብል ኣለኻ?

እወ!

ብዛዕባ እንታይ እዛረብ ከምዘለኹ ኣይጠፍኣካን። ሕማቕ ኣይተዛርበኒ።

እዚ’ዩ ዘረባኻ ኖራይ? ብኸምዚ ክትዕረቕ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንምንታይ ኣብ ጸገም ንኣቱ?
ክብረትና ሒዝና ስቕ ዘይንብል። ያ ጀማዓ፡ ኣነ ከይደ። ቻው።

ብቐደሙ’ውን ክትዓርቁ ኣይመጻእኩምን። ሳልም ከኣ ወደይ ንጓልካ ከምዘይምርዖ ፍለጥ።


ኪድ፡ ሃፍ በል።

ግደፈና ያዓኺ!

Scene 495

ስማዕ፡ እዚ መርዓ ብሰንክኻን ብሰንኪ ሰበይትኻን’ዩ ፈሺሉ። ኩሉ’ቲ ትግሕጦ ዝነበርካ


ገንዘብ ሕጂ ምለሶ።
ኖራይ፡ ኣነ እንታይ በዲለ? ብዝበልካኒ እኸደልካ ነይረ። ሕጂ ገንዘብ ከምጽኣልካ ደሊኻ?
(? ? ?)

ኣይፈልጥን። ሕጂ ገንዘበይ እንተዘይመሊስካለይ ኣብ ፖሊስ ክኸስሰካ እየ።

ኖራይ፡ በጃኻ ግዜ ሃበና። እዛ ቈልዓ 18 ክሳብ ትበጽሕ ዘይንጽበያ?

ዘረባይ ሓንቲ’ያ። ገንዘበይ ምለሰለይ ወይ ድማ ኣብ’ቲ ዝነበርካዮ ቤት-ማእሰርቲ


ክመልሰካ’የ።

ቤት-ማእሰርቲ ኢልካ? በቲ ሼኽና ዝበሎ ቤት-ማእሰርቲ ኣነን ንስኻን ክንኣትዋ ኢና።


(? ? ?)

ሼክ እንታይ ኣብ መንጎና ዘእቱ ኣለዎ? ዝበላዕካዮ ገንዘበይ ሕጂ ምለሰለይ።

ዝተበልዐ ገንዘብ ሕጂ ብሓንሳብ ከመይ ገይረ ከምጽኣልካ? ኖራይ ረቢ ፍራሕ።

ተኣለ፣ ርሓቐለይ!

Scene 491

መርሓባ ኣሞይ ራየት!

ኣየርሕቡልካ! “መርሓባ ኣሞይ ራየት” ከኣ ይብለኒ!

ኣ! እንታይ ትብሊ? መዓስ? ንምንታይ ወሲዶሞ? ቻው! ቻው!

ንዓ እስከ ጀማል። እንታይ ትብል ኣላ እዛ ነግራም ሰበይቲ?

ሓወ’ቦይ ኣዳላ ቦሊስ ወሲዶሞ።

ብምንታይ!

ሳብሪን መርዓ ኣብያ ኢሉ ክቐትላ ፈቲኑ።

ኦ ኩሉ ዝከኣሎ ረቢ! ንኺድ በል።

Scene Additional Scene

ባባ! ባባ!

ኣሃ?
እዚ ገዛና ገዛ ድዩ ወደብ? እንታይ ኢኹም ጀላቡ መሊእሊሞ?

ጃልባ ኣብ ሂወትና ዓቢ ተራ ኣለዋ መንሱራ ጓለይ።

ናይ ምንታይ ተራ ባባ?

ብኸም’ዚኣ ጃልባ ገረ እየ ንጀዛን ከይደ። ብኡ ከኣ ሂወትና ተቐይራ። ሓወ’ቦኺ ጃብር


ቀደም ኣብ ጃልባ ሰቒሉ ሂወትና ኣመሓይሹዎ ነይሩ። ሕጂ ከኣ ከም ጀልባ ሂወትና
ይፈናጥሕ ኣሎ። (? ? ?)

ድሓን ባባ፡ ረቢ ኣሎ።

ድሓን እዛ ጓለይ።

Scene 373

ኩባያ ጸባ ስተዩ። ቅድሚ ዝኣገረ ነብስኹም ኣይትወጽዑ። (? ? ?)

ርሓቕለይ! ጸባኽን ጽቡቕክን ክርኢ ኣይደልን’የ።

ወይ ጉድ! ወሪዱኒ ዶንክ! ሕርቃንክም ኣባይ ኣይተውጽኡዎ። እዛ ጓል ኣይተድልየናን ኢያ


ኢልናኩም። ምስማዕ ድማ ኣቢኹምና። ባዕልኩም ዝገበርኩሞ ጸላዕላዕ ኢሉኩም!

ንግደፋ ትብልሉ ዝነበርኪ ምኽንያት ፈሊጠዮ ኣለኹ። ናብ’ዞም ርጉማት ኣሓትክን


ኣሕዋትክን ክትእትውና ስለዝደለኺ’ዩ። እቲ ሕማቕ ፋልኪ’ዩ ከምኡ ገይሩና ዘሎ። ኣፍኪ
ሓዚ!

እንተ ሒሹኩምስ ገዲፍናኩም።

ይድውል ከኣ ኣሎ።

መን ኢዩ?

እቲ ምሽቲ ኣዳላ።

ዘይትቀበልዎ። መን ይፈልጥ ጥዑም ወረ ይህልዎ ይኸውን።

ሃለው! ሕጂኸ እንታይ ትደልየኒ ኣለኻ? ኣሃ! ሓቢእኩማ ኔርኩምስ ሕጂ መርዓ ፋሕ ምስ


በለ ኣምጺእኩማ? ዝጠፍኤ ገንዘን በጃና ይኹን። መርዓና ክቕጽል ኢዩ። ኣሃ! እዚ ውዲት
ጃብር ኢዩ። ፈሊጠዮ ኣለኹ። ከምዝጥዓስ እንተዘይገይረዮ ኖራይ ኣኮንኩን!
ርግእ በሉ። ከም’ዚ ኢልኩም ተሃንዲድኩም ኣይትውጽኡ። እታ ጓል እንቋዕ ተረኽበት።
ኣበይ ተረኺባ? ከመይ ኣላ ከይሓተትኩም ንነገር ትኸዱ ኣለኹም?

ሰይጣን ምሳኺ ኣሎ!

ባዕልኻ ስተረና ረቢ!

Scene 432

ረቢ ኣብ ልባ ይምለሳ። ክዳን ዓድና ገዲፋ ናይ ፈረንጂ ክዳን’ያ ትመርጽ። ሕንቃቐ


ሕማቕ’ዩ። ክንመልኽ እንተደለና ነብሳ ክትቀትል ደልያ። እንታይ ድኣ ይገበር? ጓል ግዜ
እንድያ!

ጓል ግዜዶ ኢልኩም? ጀማል ወዲ ግዜ ኣይኮነን ድዩ? ንምንታይ ተዋጥርዎ ኣለኹም?

ስቕ እስከ በሊ። ዕድል እንተረኺብኪ ነገር ኢኺ ትጽሕትሪ። ክትዕን ምምልላስን ናተይ


ኢልኪ ሒዝክዮ። እታ መርዓት እባ ከመይ ኣላ?

ኖሪት ጽቡቕ ኣላ። ብጽሕቲ ወርሒ ኢያ ዘላ። ብሰላም ትገላገል ኢልኩም ጸሎት ገበሩላ።

ጀማል ምስ ዓብደልዓዚዝ ናብ ባጽዕ ክኸይድ እየ ይብል ነይሩ። ኣይትኺድ ድማ ኢለዮ።

ሰይቲ ሓዉ ሎሚ-ጽባሕ እናተባህለት ንምንታይ ይኸይድ?

ምኻድስ ጽቡቕ ነይሩ። ዓብደልዓዚዝን ኣቡኡን ሰብ ውዕለትና’ዮም። ኣስመራ ጸሊኤዮ፡


ንፋስ ክቕይር ኣነ እንተኸድኩ ይሓይሽ ኢለዮ።

ንሱስ ሓቅኹም፣ ኣብ መርዓኦም እንተዘይተሳቲፍና የኽፍኣልና ኢዩ። ግና ኖሪት ከም’ዚ


ኢላ ከላ ከመይ ጌርኩም ክትገድፉዋ? መገዲኸ ክትክእሉዎ ዲኹም?

ሓውየ እየ። እኽእል’የ። ቀስ ኢለ ምስኦም እሳለ።

እንታይ ምስላይ የድለዮ፣ ዘይብመኪና ኢኹም ትኸዱ። የግዳስ ቅድም ኖሪት ብሰላም
ትገላገል በሉ። ምስ ተገላገለት ትኸዱ።

ንስኽን ዕንቅፋትክን! ኖሪት ስድርኣ ኣለዉ’ንዶ? ኣነ ድየ ከሕርሳ?

እሞ ድሓን፣ ረቢ ኣሎ።

Scene 529
እንታይ ድኣ በይንኽም ተስተንትኑ? እንታይ ዝተረኽበ ኣሎ ድዩ?

እንታይ ኮይነ ኢለኪ? ምሳኹም ኣበይ ድሓን ኣሎ!

ንሕና እንታይ ዘይገበርና? ቀዳማይ መርዓ እንተፈሸለ ካልእ መርዓ ይመጽእ።

ኣነ በዚ መርዓ ተሻቒለ ኢለኪ? ድሕሪ’ዛ ሕጂ ነዚ መርዓ’ዚ ከይተልዕልለይ።

ንዓይ ጥዕናኹም’ዩ ኣሻቒሉኒ። ደጊሱኩም ከይከውን ኢለ እንደኣለይ። ድሓን፡ ገዲፈዮ በሉ።

ኩሉ ወዮ ኮይኑኒ። ንጀማል ናብ ድኳንካ ተመለስ ኢለዮ። ምስ’ዚ ዘስርሓኒ ዘሎ ሰብ ናይ 2


ዓመት ውዕል ፈሪመ እየ፣ ክምለስ ኣይክእልን’የ ድማ ኢሉኒ።

ዕውል? ክወጽእ እንተደልዩ ማለት ድዩ?

ውዕል ክብሃልዶ ሰሚዕኪ ትፈልጢ?

እወ ሰሚዐ እፈልጥ። እዚ ኣብ ስራሕ ዝገብሩዎ ስምምዕ እንድዩ።

እወ፡ በዚ ስምምዕ’ዚ ጀማል ገዲፉዎም ክመጽኣና ኣይክእልን’ዩ።

እዚ ድኳንና ደኣ እንታይ ክኸውን’ዩ? መን ክሰርሓሉ ይኽእል?

እንተኽኢለ ባዕለይ እሕዞ፣ እንተዘይክኢለ ከኣ እዓጽዎ።

ሕማቕ መዓልቲ! ወድና ድኳን እንዳ’ማቱ የዐምር፡ ዱኳንና ከኣ ይዕጾ! ዘይተሰምዐን


ዘይተራእየን!

እንታይ’ሞ ክንገብር! መጀመርታ መሲሉኒ ጌርናዮ። ሕጂ ከኣ…

ባዕልኹም ዝገበርኩሞ’ዩ። ገንዘብ ብክሻ እናምጽኣልኩም ሰጒግኩሞ። ሕጂዶ ይሓይሽ?

Scene 112

ናይ’ዚ መርዓ ወረ ምስሰማዕኩ ተሓጒሰ። ኖራይን ኣዳላን ብመውስቦ ተቐራሪቦም ምስ


በሉኒ ተደሲተ።

እወ ኣቦይ መርከ። እዚ ዘጽናሕኩምልና ኣገባብ መውስቦ ክተርፍ የብሉን። ነቲ ኣብ ዓሰብ


ዘሎ ዓቢ ወደይ እውን ኣመርዕየዮ እየ።

ጓል መን ኣመርዒኻዮ?

ጓል ሳልሕ ወዲ በኺት።
ግርም! ጽቡቕ ጌርካ። እታ ምስ ሓትነኣ ኣብ እንዳ ኣዳላ ዝዓበየት ዘኽታም ድያ?

እወ ንሳ’ያ። ሕጂ’ውን ንጀማል ወደይ ጓል ኣዳላ ክወስድ’የ።

ንኣስመራ ብምልእታ ዘጽገበ ውራይ ጌርካ ንምንታይ ዘይዓደምካኒ? ህያበይከ ኣበይ ኣሎ?
እሞ ክልተ ደቂ ሓትነ ንደቅኻ ግፍጥ ኣቢልካየን።

ኩነታት ጀማል ወደይ ኣየቕሰነኒን። ምስ ሓንቲ ጓል ይዘውር ኣሎ ምስሰማዕኩ ቀልጢፈ


ናብ ኣዳላ ሓወይ ከይደ።

እንታይ ኢልካ?

ጓል ኣዳላ ሓወይ ሓቲተሉ።

ጽቡቕ ጊርካ። ከም’ቲ ትፈልጦ ንሕና ዓጽምና ጽሩይ፡ መዋስብትና ጽሩያት ኢና። ጓልና
ንካልእ ኣይንህብ፡ ጓል ካልእ ከኣ ኣይንደሊ።

ምብላዕ ምብልዑ ዝብኢ ዓድና ይብ’ዓዮ’ኳ ዝብሃል። ካብ ዘይጽሩይ መውስቦ ዝኸፍእ


የለን።

እንዳ ኣዳላኸ ተቐቢሎሞዶ? እሂ ኣዳላ? ኣዳላ ዝቃወም ኣይመስለኒን። (? ? ?)

ኣዲኣ ግን ደስ ኣይበላን። ካብታ ትብጻሕኩም ዝተብሃልናላ መዓልቲ ገጻ ቀምሪሩ።

መን ገጻ ቀምሪሩ?

ራየት (መርዓት ዓርኮከባይ)። (? ? ?)

መርዓት ዓርኮከባይ ባዕለይ ቈሪጸ ከምጽኣልካ እየ። ስኣን ላኻዶ መርዓ ይብተን? (? ? ?)

ጽቡቕ ጌርካ ኣረድኣዮ ኖራይ። ራየት እንተበልና እታ ናይ ላኻ ኢያ መሲላቶ።

ራየት ሰይቲ ኣዳላ ሓወይ ኢና ንብል ዘለና። ነቲ መርዓ ኣይተቐበለቶን።

ሰበይቲኸ መን ወሃቢትን ከላኢትን ገይሩዋ! ኣዳላ እንተሂቡካ ነገር ተወዲኡ። ኣደ ፈትያ


ጸሊኣ ኣብ ተብሎ የብላን።

ጽቡቕ ኣለኹም ኣቦይ መርኬ። እንቋዕ መጻእኩምና። ንሕና ድማ ኩነታትና ገሊጽናልኩም።


ጸባ ኣስቲኽምኒ፡ ጸባ ስተዩ ኣቦይ መርኬ!

እወ፡ ኮካ ድሕሪ መግቢ ከብደይ የዝሕለለይ ኢዩ። ጽቡቕ ጌርኩም።

ጸሚእኩም ዲኹም? ኮካ ድኣ ካበይ ከምጽኣልኩም? ማይዶ ክህበክም?

ኮካ ስተ ዝበልካ መሲሉኒ’ዩ። እዝነይ ይጻንዓኒ ኣሎ።


ኣይፋሉን። ጸባ ኣስቲኸኒ ጸባ ስቴ፡ ኣሓጒስካኒ እየ ዝበልኩ ኣቦይ መርኬ። (? ? ?)

ስለዝተሓጐስኩ እንድየ መጺኤኩም። ከም’ቶም ደቂ ከተማ ባህልኽም ከይተጥፍኡ ሰጊኤ


ነይረ።

ኣየጥፋእናዮን። እዚ ካባኹም ዝጸንሓና ባህሊ ወሪስናዮ ኢና። ክነውርሶ ከኣ ኢና።

ጽቡቕ ጌርኩም። ለባም እንዲኻ ኖራይ ወደይ፡ ዝምድናኹም ኣጽንዑ።

ኣዳላ፡ ንጀማል ሓቢረዮ ኣለኹ። ናብ ዱኳንና ኪድ። ኣነ ምስ ኣቦይ መርኬ ክነዕልል ኢና።
ክንመጽኣኩም ኢና።

እሺ፡ ከምኡ ክገብር እየ። ኣቦይ መርኬ ንዓና’ውን ምጽኡና።

እወ፡ እወ ክመጽኣኩም እየ። ድሕሪ ትብጻሕክም ሕጸ ኣሎ። ድሕሪኡ ከኣ መርዓ። ብልዑ


ኢሉና ሎም-ዘበን።

እሞ ኣዳላ ናብ ጀማል ኪድ። ኣነ ከርክበካ’የ። ሓሊፍካ ጽንሓኒ።

ሕራይ!

ጸባ ከኣ’ባ ኣለና ኢዩ።

Scene 236

ኣዳላ፡ ዘረባይ ስምዓኒ፣ ዘረባይ ስምዓኒ። ሕጂ ኬድካ ምስ ሰበይትኻ ተመያየጥ። እቲ ጉዳይ


ኣብ ሓጺር እዋን ክንውድኦ ኢና።

ሓቁ’ዩ ኖራይ። ዝብለካ ዘሎ ስማዕ። ኖራይ ንረብሓኻን ረብሓ ጓልካን ዝሓስብ ሰብ ኢዩ።
ጓልካ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኮለል ኣብ ክንዲ ትብል ትምሰል ኢዩ ዝብለካ ዘሎ። ስምዓዮ።

መጀመርታ ንሓውና ጃብር ዘይነማኽሮ? ሮመዳን’ውን መማኽርትና ኢዩ።

ንጃብርን ሮመዳንን ረስዓዮም። ጃብር ንዒቑና ኣኼባ ረጊጹ ኢዩ ወጺኡ። ሮመዳን ከኣ


ስራሕ መንግስቲ ኣለዎ። ንዓና ዝኸውን ግዜ የብሉን። ወይ ንጃብር ወይ ንዓይ ምረጽ።
ሓዴና ምረጽ።

ጃብር ንየው በሎ ኣዳላ። ላንጋ ላንጋ ከይትተርፍ። ኖራይ ይቐርበካ። ሓዉኻ ወዲ ኣዴኻ’ዩ።
ገባሪ ጽቡቕካ ከኣ ኢዩ። ኖራይ መራሒና’ዩ። ስምዓዮ።

ድሓን በሉ፡ ረቢ ዝኣዘዞ ክኸውን’ዩ። ኣነ እንታይ ዓቕሚ ኣሎኒ። ጃብር ከይሓምየና ኢለ


እንድኣለይ።
ክሓሚ እንተደልዩ ይሕመ። ኣብ ጉዳይ ደቅና እንታይ ይእውደና። ከምኡ ትብል እንተዀንካ
ጓልካ ንዕኡ ሃቦ። ካብ ከተማ ኣውጺእካ ኣብ ጎቦታት ኣስፍራ። ንዓኻን ንጓልካን ኢልና
ኢና’ምበር ኣዋልድ መሊኤን ኣለዋ።

ዝብለካ ዘሎ ስማዕ። ምስ ኖራይ ኣይትማጐት። ዝበለካ ግበር። ብኣደን ኣቦን ኣሕዋት


ኢኹም። ዝምድናኽም ብመውስቦ ክድልድል ስለዝደለየ ኢዩ ጓልካ ንወዱ ደልዩዋ።
ስምዓዮ፡ ኣይትዓሹ እዚ ወደይ።

ድሓን ንበዓልቲ ቤተይ ክሕብራ’የ። ንሳ ግን ካብ መጀመርትኡ ኣይተቐበለቶን።

ኣንስቲ መማኽርቲ ኣይኮናን። ኖራይ ዝብለካ ዘሎ ስማዕ።

ትቀበሎ ኣይትቀበሎ ሕጸን መርዓን ብሓደ ክንገብሮ ኢና በላ። ናይ ሓደ ወርሒ ዕድል ሃባ።
ነታ ቈልዓ ካብ ቤት-ትምህርቲ ኣውጸኣያ።

ቈልዓ ክሳብ ሕጂ ናብ ቤት-ትምህርቲ ትመላለስ ኣላ! እዚ መስተንክር’ዩ። መርዓኣ


ዝተቘጽረ ጓል ኣብ ቤት ትምህርቲ! ኣነ ድኣ ኣብ ገዛ ንመርዓ ትዳሎ ዘላ መሲሉኒ።

ሕራይ ድሓን። እንተሰሚዐናና ንነግረን። ጸገም የለን፣ ድሓን።

Scene Additional Scene

እንታይ ደሊኻ ናብ ገዛና መጺእካ?

እንዳ ሓወ’ቦይ እንድዩ።

መጣቖሲ! ንኖሪት ክትሕስወላን ወረ ክትህባን መጺእካ ሙሽ?

ኣቲ ጓል፡ ኣፍኪ ሓዚ። ኣነ መጣቖሲ ኣይኮንኩን። ንእንዳ ሓወ’ቦይ ክርኢ እየ መጺኤ’ምበር


ንዓኺ ክርኢ ኣይመጻእኩን።

ገዛና ሰላምታኻ ኣየድልዮምን’ዩ።

ኡፍ! ኣፍ ጭርናዕ!

Scene 539

ኣቦ፡ ኣነ እንታይ’ዩ በደለይ? ቁርብ’ስከ እንታይ ኣቢሰ?

ኣይትሕረቒ እዛ ጓለይ። ባዕለይ ስርሑ ከርእዮ’የ። ጥራይ ስቕ በሊ።


መጀመርታ ብሓይሊ ኣመርዒኽምኒ። ሕጂ ከኣ እነሃለ ወድኹም ደርብዩኒ። ንገዛይ
ኣፋንዉኒ።

ሓቅኺ ኖሪት ጓለይ። ኣይተጋገኽን። ኣነ’የ ተጋግየ። ሕጂ ግን ዕድል ሃብኒ። ናብ ዓሰብ


ክኸዶ’የ። ወይ’ዚ ድርባይ! ባዕለይ ክኽሕሰኪ’የ። 28 ግራም ወርቂ ክሒሰኪ ኣለኹ።

ስድራይ ናፊቐ ኣለኹ። ክርእዮም ክኸይድ።

ጽባሕ እስፐዛ ገዚአ ከፋንወኪ’የ። ንግሆ ትኸዲ። ሕጂ ገዛኺ እተዊ።

ድሓን ሕራይ።

መን’ዩ ማዕጾ ዝዂሕኵሕ ዘሎ? ኪዲ ክፈትዮ።

መንሱር ሓወይ በጃኻ!

ፈንውኒ!

መንሱር ሓወይ በጃኻ!

ፈንውኒ!

ነገር ከይተምጽእ ኣታ ቈልዓ!

ኣሕዋተይ ወሲድካስ “ነገር ከይተምጽእ”? ኩሉ ብሰንክኻ’ዩ።

እንታይ ገይረኩም?

እንታይከ ዘይገበርካ? ኣቦይ ብርእሱ ወይ ረስኡ እንተዘይተረኺቡ ብሂወት ክሓትተካ’የ።


(? ? ?)

ኣነ እንታይ ገይረ ብሂወቱ ትሓትተኒ? ኣዳላ ሓወይ እንድዩ? ኣቦኻ እኮ’የ። ካብ መንገዲ
ሰይጣን ተመለስ።

ድሓን ክንርኤኤ ኢና። ናይ ኣቦይ ሓልፍነት ኣብ ርእስኻ ኢዩ ዘሎ።

ሓላፍነት ትሽከም ነዓይ! ረቢ ባዕልኻ ካብ ሰይጣን ኣድሕነኒ። ረቢ ጥራይ’ዩ ኩሉ ዝከኣሎ።


(? ? ?)

Scene 512

ናድያ፡ ናድያ! ብስምላህ! ብስምላህ!


Scene 585

ኣብ’ቲ ሳሎን ኮፍ ዘይትብሊ መንሱራ ጓለይ? ንምንታይ ትዅርመዪ?

ድሓን፡ ሎሚ ኣብ’ዚ ኮፍ ክብል’የ።

ኣብ ክንዲ ሳሎን ኣብ’ዚ ይሕሸኪ? ሰብ ዝሕሾ ባዕሉ ይፈልጦ። ገዲፍናኪ!

ግደፉዋ ድሓን።

ስምዕኒ ማማ?

እሂ?

ነዚ መንሱር ወዲ ሓወ’ቦይ ኣዳላ ከይደ ይቕረ እንተበልኩዎ ከመይ ይመስለኪ?

ብቱኽ፡ ኩብላልያ ትብልዮ ኔርኪ ሕጂ ክትዕረቕዮ? ኣነ የለኹላን። ንስኽን ኣቦኽን ካብ ሰብ


ነጺልኩምና።

መንሱር ጽቡቕ ስራሕ ሒዙ ኣሎ። በዓል ገንዘብ ኮይኑ። ሎሚ ክንዕረቐካ እንተኢልናዮ


ክስሕቀና’ዩ። ስቕ እንተበልና ይሓይሽ መንሱራ ጓለይ።

ኣዳላ’ውን ብሰንኪ እዚ ዓንዴል መልሓስኩም ተሰዊሩ።

ኣንቲ ሰበይቲ ስነ-ስርዓት ግበሪ። እዚ ዘረባ’ዚ ኣብ ቅድሚ ደቁ ከይትደግምዮ። ኣላ! ኣዳላ!


ኦ ኣላህ መሓረኒ። (? ? ?)

ባባ፡ ክዳውንቲ ዓጻጽዩ ምስ ሓንቲ ጓል ክዛወር ርእየዮ።

ንመንሱር ባዕልና ንዒቕናዮ። መባድልቲ ሳብሪን ክምርዓወኪ ሓቲቶምልኪ ነይሮም።


(? ? ?)

ሓቂ ይሓይሽ፡ ሽዑ ዓይነይ እናርኣየ ንጓለይ ንመንሱር ኣይምሃብኩዋን።

ሎሚኸ ምሃብኪዮምዶ?

ሕጂ ድኣ እንተሃብናዮ’ውን ኣይቅበለናን’ዩ። ግዜ ተቐይሩ!

መንሱር ኣዝዩ ወዲ ከተማን ወረጃን ኮይኑ። ምስ’ታ ጓል ተተሓሒዞም ይኸዱ ነይሮም።

ወረጃ ይኹን ኣይኹን ሎሚ እንተደለኺ’ውን ኣይትረኽብዮን ኢኺ።

“ንዑቕ ይንዕቀካ፡ ሓጺር ከኣ ይወልደካ” ትብል ምስላ። (? ? ?)


ልክዕ ኣለኺ! ንንዕቆም ዝነበርና ሎሚ ይንዕቁና ኣለዉ።

ዕርቂ እንተደሊኹም መጀመርታ ምስ ወድኹም ተዓረቑ። ድሕሪኡ ምስ ኣሕዋትኩም፡


ብድሕሪኡ ምስ ሰይቲ ወድኹምን ወዲ ሓዉኹምን። እቲ ዓንዴል መልሓስኩም ንእንዳ
ሳልም’ውን ኣረኻኺቡሎም እንድዩ።

ጽቡቅ ኣለኺ። እዚ ተካል መልሓስ ምስ መንከ ዘየባእሰኒ? ብኸመይ ከም ዝተዓረቖም ግን


ጠፊኡኒ ኣሎ።

ብልቢ ክትዕረቑ እንተደሊኹም ኣነ ንጀማል ከረድኦ። ጀማል ከኣ ባዕሉ ከምትዕረቑ


ይገብር።

ሕራይ ከምኡ ግበሪ። ግዜ ኣይትውሰዲ። ንጀማል ንገርዮ። ሂወት ነባሪት ኣይኮነትን።

ቅድም ዘረባ ሰብ ትሰምዑ ኣይነበርኩምን። እሞ ንጀማል ኣብ ዱኳኑ ዘይንኸዶ?

ጽቡቕ ኣላ ማማ። መዛወሪ ይኾነና። ኣብ ዱኳን ዘይንኸዶ?

ከምኡ ይሓይሽ?

እወ።

ንኺድ በላ ሕራይ።

ንኺድ።

Scene 546

ኣዳላ እዚ ይፈድየና ኣይበልናን። ንሕና ንረብሕኡን ረብሓናን ኢና ንሰርሕ ኔርና።

ተሪርኩሞ ኣቦ ኣርሄት። ምስ መጽኣኩም ተቛይቝኩሞ። ብዘይካኹም መን ሰብ ኣለዎ?


ብጽቡቕ እንተትቕበሉዎ ኣብ’ዚታት ኣይምወደቐን።

ኣቲ ሰበይቲ፡ ንስኻ ኣህዲምካዮ ትብልኒ ኣለኺ? እዚ ዘረባኺ ደስ ኣይበለኒን። ትማስይኒ


ኣለኺ።

ኣይፋለይን፡ ኣትሪርኩምሉ እየ ዝበልኩ። ብባህርኡ መስኪን፡ ምእዙዝን ዘይጓዳእን’ዩ።

ዝጓዳእ ይውጋእኪ ተካል ገጻ! ነገርኪ ይኣኽለኒ። ኣነ እንታይ ዘይገበርኩሉ? ክትወቕሱኒ


ኣይትፈትኑ።

እቲ ዝሃብኩኻ ምለሶ ትብልዎ ኔርኩም። እዘነይ ጽቡቕ ገይሩ’ዩ ዝሰምዕ።


ኣእዛንኪ ኣብ ካልእ ቁምነገር’ዩ ዝጻንዓኪ። ንወረን ምጥቛስን ግን ይበልሕ።

ኣነ መጣቘሲት ኣይኮንኩን። ንስኹም ተሪርኩም። እዚ ትርኽም ግን ተመሊሱ


ክወግኣኩም’ዩ።

ኣየ ጠንቋሊት! ከምኡዶ ይርኣየኪ ኣሎ?

ይርኣየኒ ጥራይ ዘይኮነስ እነሆለ እንዶ ኣጋጢሙ። ካብ ጎረቤት፡ ካብ ኣሕዋትኩም፡ ካብ


ሰብኩም ተነጺልኩም።

እንታይ ስለዝገበርኩ? ንቀራረብ፡ ኣብ ነንሓድሕድና ንመራዖ፡ ንተሓጋገዝ ስለዝበልኩ?

ከምኡ ኣይኮነን። ኩሉ ከከም ግዜኡ ክኽየድ ኣለዎ። ሙኒር ኣፍቃሪት ኣላትኒ እናበለኩም
ብሓይሊ ኣመርዒኹሞ። እነሆለ ከኣ ንኖሪት ደርብዩ ናብ’ታ ናይ ልቡ ከይዱ። ጀማል ከኣ
እዚ ከይድገም ይልምነኩም ኣሎ። ኣሃ!

Scene 519

ሰላም ንዓኹም!

መርሓባ፡ ሰላም ንዓኺ!

ከመይ ኣምሲኺ መንሱራ ጓለይ?

እንታይ ድኣ ደንጕኺ? ስራሕ ከመይ ነይሩ?

ክንደይ ጽሉላት እንናመጽኡ ኣጸሊሎምና። እዚ ስራሕ ኣይኮነን።

ተካል ስራሕ’ዩ እዚ። እዚ ጀማል ኢዩ ዝኽእሎ ነይሩ። ደኺማ፣ በጅኣ ይስጥሓኒ።

ደኺማ፡ ደኺማ ኣይትበሊ። እዚ ኩሉ ንግድ ኣዋልድ እንድየን ሒዘነኦ ዘለዋ። (? ? ?)

እዚ ስራሕ ኣይኮነን ባባ! ዓደግቲ ከፊኦምና። ገሊኦም ምሳኻ ይብኣሱ፡ ገሊኦም ከኣ ብሕቶ
ጦቕ የብሉኻ።

ስራሕ ድኳን ከምኡ’ዩ መንሱራ ጓለይ። መጀመርታ ዋጋ ይሓትቱ። እንተጥዒምዎም


ይገዝኡ፣ ዘየዋጽኦም እንተኾይኑ ድማ ይገድፉዎ።

ዶ? ብሕቶ ተካል መዓልቲ ኣውዒሎምኒስ ክገድፍዎ!?

እዚ እንታይ’ዩ? እዚኣተን ጥራይ ሰሪሕኪ? ድኳን ፈሊሱ ዘይትብልኒ ደኣ። ጀማል ኣብ


መዓልቲ ዓሰርተ ሽሕ፡ ዕስራ ሽሕ እንድዩ ዘእትወሉ ነይሩ! (? ? ?)
ዓሰርተታት ኣሽሓት እናሃበኩም ኢኹም ሰጒግኩሞ። ንእንዳ’ማቱ ከኣ የልምዕ ኣሎ።

እዚ ኣይከውንን’ዩ። ክንዲ’ዚ ዝኣክል ድኳን እዚኣተን የእቱ! ብላሽ ኢኺ ንስኺ።


እንተተዓጽወ ይሓይሽ። ድሕሪ ሕጂ ከይትወፍሪ፣ ይኣኽለኪ።

ሕራይ ባባ። ሙኒር ሓወይ ካብ ዓሰብ ደብዳበ ልኢኹልኩም ኣሎ።

ብጣዕሚ ጽቡቕ!

ደብዳበ!

(ረያም አካን ፋድየት ህሌት። ሐዲስ Scene እት ንትጸበር ለ Scene ቀዳሚት አተላሌት)

(ልጀዋብ እብ ክርን ሙኒር እግል ትትቀራእ በ። ሰኒ ቅርእት ይህሌት። ለልትደጋገም ሀገጊት


ብእተ)።

ናብ ክቡራት ወለደይን ኣሕዋተይን!

ብመጀመርታ ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም። ቀጺለ፡ ብዘይካ ናፍቖትኩም ጥዕናይ ጽቡቕ


ኣሎ። ከም እትፈልጥዎ ኣፍቃሪት ኣላትኒ እናበልኩኹም ብግዲ ምስ ኖሪት
ኣመርዒኹምኒ። ...ኣብ ዓሰብ ነታ ዘፍቅራ ጓል ተመ r ዕየ ኣለኹ። ኣቦይን ኣደይን
መርቑለይ። ወ d ሓንኩም።

d ሓን ኣይትርከብ! ረቢ ከኣ ኣይባርኽካ!

ጸላኢኡ ኣይባረኽ! ከምኡ ኣይትበሉ። ኣይደልን እናበለ ብሓይሊ ኣመርዒ Ku ሞ። ሕጂ


ቀጭቀጭ ኣይበልክም።

ኣፍኪ ሓዚ። ሙኒር እዚ ፈድዩኒ? ረቢ ኣየብርሃሉ እንሻእ ኣላህ!

ብራቮ ሙኒር! እንቋዕ ካልእ ተመርዓወ። ንኖሪት ሕጂ ናብ ስድርኣ ስጐጉዋ።

ኣፍኪ ሓዚ ኣንቲ ርግምቲ። ከማኺ ዘሐንቀቕኩዎን ተስፋ ዘንበርኩሉን ውላድ የብለይን።


ንስኺ ግን ዘይትጠቅም ኰንኪ ጸኒሕኪ።

Scene ? (ሮመዳን በኑ እብ ረሲፍ እት ገይስ ወድካን ድቡእ ገነሕ) ህግየ አለበ

Scene 531
ኖራይ መመኽነይታታት ከይፈጠረ ንርከቦ። ነታ ቈልዓ ንኽሓሳ። ሰብኣያ ኣብ ዓሰብ ድላዩ
ፈጺሙ’ዩ።

ጽቡቕ ኣለኻ፣ ደንጒና’ኳ። ምስኪነይቲ! ጾር እንዳ ሓሙኣ ኮይና።

ግዱድ መርዓ መወዳእትኡ እዚ’ዩ። ባዕሉ ክኽሕሳ መርዓዊ ካብ ዓሰብ ይምጻእ። ብኣካል
ኣብ’ዚ ይረኸብ።

ደዊሉ ምጻእ ይበሎ።

ኣይፋሉን፣ ኣነ ባዕለይ ክድውለሉ’የ። ኖራይ ኣይነግሮን’ዩ። ከምዝተመርዓወ ምስ ፈለጠ


ምስኡ ርክብ በቲኹ’ዩ።

ሕራይ ከምኡ ንግበር። ንጀማል’ውን ደዊልና ምጻእ ንበሎ።

ሕራይ ከምኡ ንግበር።

Scene 87

ሰላማት ሓወ’ቦይ ሮመዳን!

መርሓባ ጀማል! ድኳን ተዓጽዩ ምስ ጸንሓኒ እንድየ ተመሊሰ።

ኣብ’ዚ ምስ ዓብደልዓዚዝ ዓርከይ ነዕልል ኔርና።

ዕላልን ድኳንን ብሓደ ዘይከዱ! ድኳን እንተተዓጽዩ ሰልዲ ኣየእቱን’ዩ።

ንሱስ እወ ሓቅኻ። ንዓናይ ድኳን ንእቶ።

ሰይቲ ሓዉኻ ከመይ ኣላ?

ኖሪት ሕማቕ ኣላ። መርዓ ብግዲ ሕማቕ’ዩ። ሙኒር ድሃያ የብሉን። ክተስተንትን ትነብር
ኣላ። ንዓናይ ናብ ድኳን ንኺድ። (? ? ?)

ሕራይ።

Scene 463 (ህግየ አለበ)

Scene 187
ኣብ’ዚ ይሓይሽ። እታ ዝነበርኩማ ቦታስ…

እታ ዝነበርናያ ቦታ እውን ሕማቕ ኣይኮነትን። (? ? ?)

ሕማቕ’ያ ኣይበልኩን። ግን ጸባብ’ያ፣ ብዝሒ ሰብ ከኣ ነይሩዋ። ኣብ’ዚ ግን ክፉት ቦታን


ንጹህ ኣየርን ኣሎ። መግቢ ክሳብ ዝመጽእ እንታይ ትሰትዩ? ዳብል ዓሲር ከመይ?

ዳብል ዓሲር ኣስቲኹም ክትዓጽዉና ደሊኹም? ኣነስ ሻሂ ይሕሸኒ።

ናዱኸ እንታይ’ዩ ጠለብኪ?

ምስኪናይ ዓብደልዓዚዝ! ዝሓትተሉ የለን። ናድያስ ዝግደሰላ’ኳ ረኺባ።

ድሓን፣ ሻሂ ክሰቲ’የ።

ጂሚኸ? ካብ ጀማል ናብ ጂሚ እንዲኻ ተቐይርካ።

እንታይ’ሞ፣ ኣጕዲላትላ’ምበር መዓስ ወሲኻትላ።

ንጀማል እንታይ ኣጕዲላትላ? ክተቀባጥር ኢላ እንድኣላ።

ሓደ ፊደል ስለ ዘጕደለት ቀኒእኩምላ?

ጽቡቕ ኣለኻ። ኣብ ክንዲ ‘ጂሚ’ ‘ጀሚላይ’ እንተትብል ሓደ ፊደል ምወሰኸት።


ኣይትስሓቑ፣ ርእይቶይ’ዩ።

ሽግር የለን። ጀማል፡ ጂሚ፡ ጀሚላይ ኩሉ ሓደ’ዩ።

ኣቦይ ኖራይ ከመይ ኣሎ? ሒሱዎዶ? ኣነ ትማሊ’የ ሰሚዔ።

ድሓን ኣሎ። እንታይ’ሞ፡ ብሓንቲ ኩሊት ኣይንበርን’ዩ። ቀጻሊ ይድገስ። (? ? ?)

እንታይ ኢሎሞ? መርመራታትከ ገይሮምሉዶ?

እወ ገይሮምሉ። ኣዝዩ ከቢድ እንተዘይኮይኑ ገዛይ ይሕሸኒ ኢዩ ዝብል።

ምሕረት የውርደሉ!

ኣሜን!

ምሕረት የውርደሉ! ስእነት ጥዕና ከቢድ’ዩ። ደንጕዮምና’ምበር። ስምዓኒ ሓቢቢ!

ኣዚኻ ዲኻ ጠሚኻ?

ደንጕዮምና። ነዊሕ ኮፍ ኢልና። ፍርቂ ሰዓት ኮይኑ።


Scene 188

ንብላዕ በሉ። እዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ’ዩ። እዞም ክልተ ፍቑራት ሓሳብ ልቦም ክሰምረሎም’ዩ
ምንዮትና።

እንታይ ማለትካ`ዩ? ንዓይን ንጀማልን ማለትካ ድዩ?

ድሓን’ዩ፣ ኣባል ጉጅለና ካብ ኰንኪ ኣፍቃሪኺ ትነግርና። ንጂሚን ናድያን ማለተይ’ዩ።

ጂሚን ናዱን ድኣ ዘይትብል። ስም ስለዘይረቛሕካ እየ ተደናጊረ።

የቐንየልና። ሓሳብ ልብና ክሰምር ስለ ዝጸዓርኩም ነመስግነኩም።

እንታይ ድኣ ትም ኢልኪ ናድያ? ምሁርከ ይሓፍር ድዩ?

ሕፍረት ነውሪ ኣይኮነን። ዘረባ ዘብዛሕናስ እንታይዶ ረኺብና ኢና?

ኣይፋሉን። ንስኺ ዝርኣየኪ እትዛረቢ ሓቀኛ ስለዝኾንኪ’ዩ።

የቐንየለይ። ኣቦይ ኖራይ ከኣ ሓውዩ ርእይትኡ ዝቕይር ይግበሮ።

ኣቦይስ ሓሳቡ ዝቕይር ሰብ ኣይኮነን። ሓሚሙ ድኣ’ምበር ሕጸን መርዓን ብሓደ እናበለ’ዩ።
(? ? ?)

ኣነ ድማ ከም’ዛ ሎሚ ዓዲመኩም ኣለኹ።

ናይ ምንታይ? ንስኽን ወዲ ሓወ’ቦኽን ኩንትራት ዲኹም ሒዝኩምና?

ቀጺሉ ዝመጽእ ግብጃ ናባይ ኢዩ። ድሕሪኡ ንናድያን ጀሚላን ንጽበ። (? ? ?)

ናድያ ድኣ እንታይ ኰንኪ ትቕሽሽኒ?

እንታይ ቀሺሸኺ?

መንሱር ምስኦም ክመጽእ’ዩዶ ኣይበልክኒን?

ኣሃ? ደሊኽዮ ኔርኪ?

ንዕዋላ ድኣ እንታይ ክደልየሉ? ግና መስሓቐና ነይሩ።

ከምኡ ኣይትበሊ። መንሱር ዕዋላ ኣይኮነን።

ካብ ክሳድ ንላዕሊ’ዩ። ኣይትስምዓያ።


ዶ? ዓይኒ’ምበኣር ኣውዲቓትሉ ኣላ።

ኡኡ!

ኡኡ! ንኣቦይ ኖራይ ሎሚ ምሸት ክንበጽሖ።

ሎሚ ገዛና መርገጺ የብሉን። ጽባሕ ይሕሸካ።

ሕራይ፣ ከምኡ ንገብር። ብዘረባ ምብላዕ ከሊእኩምና።

Scene 328 (ህግየ አለበ)

Scene 42

ሰላም!

መርሓባ ናድያ!

ጂሚ ከመይ ኣለኻ?

ምስጋና ንረቢ!

ምስጋና ንረቢ! እንታይ ክህበኪ?

ኣብ ገዛና ግብጃ ኣሎ። ንሹቕ ኢለ’የ ናብ’ዚ መጺኤ። ኣብ’ዚ ዝርዝር ዘሎ ስፐዛ
ኣዳልወለይ። ንስኻ’ውን ተዓዲምካ ኣለኻ።

ሕራይ፡ የቐንየለይ።

ገዛ በጺሔ ክምለስ’የ።

ገለ ስተዪ።

ይቕሬታ ግበረለይ ጂሚ ሓወይ። ሕጂ ተሃዊኸ ኣለኹ። ምስ ተመለስኩ ይኹነለይ።

ሕራይ።

ኣዳሊኻዮ ጽንሓኒ።

ሕራይ።
Scene 45

እዚ ሓድሽ ንብረት ይኸይድዶ ኣሎ?

እወ ኣቦ። ጸባ ተሸይጡ፣ ሳርዲን’ውን ፍርቁ ተሸይጡ። ሩዝ ግን ምኻድ ኣብዩና።

ደቂ ኣስመራ ሩዝ ኣይፈትውዎን ኢዮም ‘መስለኒ።

ደቂ ሰምሃር ግን ሩዝ ይፈትውዎ ኢዮም።

ኣበላልዕኡ ይፈልጥዎ’ዮም። ከም በዓል ኣዴኻ ብዘይ ቀመማት ኣይሰርሑዎን’ዮም። ሩዞም


ኣይግዓትን’ዩ። ምስ ተቓመመ ከኣ ካልእ ነገር ኢዩ!

ድሕሪ ሕጂ በስመቲ ሩዝ ነብዝሕ። ንመርዓ በስመቲ’ዮም ዝመርጹ።

ንመርዓ ኣስመራ ሩዝ እንታይ ክገብሩዎ? ሩዝ እንተደሊኻ ንሰምሃር ገጽካ ውረድ።

ብቕድሚ ትማሊ ሓደ በዓል ጊንዳዕ ክልተ ዓሲና ሩዝ ገዚኡልና። (? ? ?)

መርዓ ጊንዳዕ ብሩዝ ኢዩ ዝግበር።

እዚ ናይ ኣስመራ ገፋሕፋሕ ምስኣቶም ኣይሰርሕን’ዩ።

ኩሉ ከከም ዓዱን ከከም ግዜኡን ኢዩ ባባ።

ጽቡቕ ኣለኻ። በል ከይደ። ሰዓት ስግዳን ኣኺላ። ድኳን ዓጺኻ ኣርክበኒ።

ሕራይ ባባ።

Scene ? (ህግየ አለበ)

Scene 89

እንታይ ድኣ ዱኳን ተዓጽዩ ኣሎ ዘይበልካኒ?

ኣቦይ ከፊትዎ ኣሎ። ኩነታታ እቲ ዝነገርክኻ’ዩ። እቲ መርዓ ሙኒር ይኹን ኖሪት


ኣይደለዩዎን። ብድልየት ኣቦይ ኢዩ ተፈጺሙ። (? ? ?)

ዝን ትብልን ተስተንትንን ኣላ። ሓቃ’ዩ! መርዓ ብግዲ እዚ’ዩ ውጽኢቱ።

ነዚ እናፈለጥኩም ንዘይደለኽዎ መርዓ ተገድዱኒ?


ንሕና እንታይ ጌርና?

ከይሓተትኩም ተሕጽዩኒ? ክሕተት መሰል የብለይን?

መሰል ኣለካ። ኣቦኻን ሓወ’ቦኻ ኣዳላን ንበይኖም ዝገበሩዎ’ዩ። ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ መርዓ
ብግዲ ኣይግበርን’ዩ። ኣነ ኣይተቐበልኩዎን።

ኣነ’ውን ኣይተቐበልኩዎን። ጓል እገለ ንወዲ እገለ ምባል ግዜኡ ሓሊፉ’ዩ። ኣብ ኣየናይ


ዘመን ይነብሩ ኣለዉ?!

ጽቡቕ ኣለኻ። ኣቦታትና ኣብ ሓድሕዶም ይመራዓዉ ነይሮም። ግን ብድልየት ይገብሩዎ


ነይሮም። እቶም ተመራዓውቲ ድማ ስድራቤታት ከየባእሱ ከፊኡዎም ከሎ ስቕ ይብሉ
ነይሮም። ኣብ ገጠር ዝሰርሕ ዝነበረ ሎሚ ኣብ ከተማ ይሰርሕ ማለት ኣይኮነን።

ሓወ’ቦይ ጃብርከ ስለምንታይ ረጊጹዎም ወጺኡ?

ሓወ’ቦኻ ጃብር ንሳብሪን ንወዱ ሓቲቱላ ነይሩ። ኣዳላ ግን ጓለይ ንእሽቶ ኢያ ኢሉ ንኖራይ
ሂቡዋ። በዚ ኢዩ ረጊጹዎም ከይዱ።

ሓወ’ቦይ ጃብር ሓቲቱላ ከሎ ንዓይ ሂቦማ? እዚ ኣይከውንን ኢዩ። ሓወ’ቦይ ጃብር ሓቁ ኢዩ


ክሓርቕ።

ጃብር በዚ ኢዩ ሓሪቑ። ኣነ ተቓዊመዮም’የ።

ኣነ’ውን ምሳኻ ኣለኹ። ኣነ ንጓል ሓወ’ቦይ ኣዳላ ከምዘይምርዖ ይፍለጡ። ነውሪ! ንወዲ
ሓወ’ቦይ ዝተኸልአት ኣነ ኣይምርዓዋን’የ።

ሓቂ ተዛረብ። ንወዲ ጃብር ስለዝኸልኡዋ ዲኻ ወይስ ካልእ ኣፍቂርካ?

መርዓ ደቂ ሓወ’ቦታት ኣይተቐበልኩዎን። ኣነን ሳብሪንን እንተተባኢስና ስድራቤታትና


ክብኣሱ ኢዮም። ሕውነትና ከኣ ትጠፍእ። ካብ’ዚ ግዱድ መርዓ ኣገላግለኒ።

ኣጆኻ፡ ኣይትሻቐል። ኣብ ጎድንኻ ኣለኹ። ኣይትሻቐል።

ኣቦይ ርእይትኡ ክቕይር ሓግዘኒ። ተስፋይ ካባኻን ካብ ረብን ኢዩ።

መርሓባ፡ ኣጆኻ።

ፍቓድ ረቢ ይኹን!

Scene 47
እታ ምሳኻ ጉጅም ትብል ዝነበረት ጓል መን’ያ?

ጉጅም ኣይኮናን ንብል ኔርና። ንሳ ትገዝእ፡ ኣነ ድማ እሸጠላ ነይረ።

እቲ ስሓቕኩም ግን ናይ ከምኡ ኣይመስልን።

ንዓሚል ብፍሕሹው ገጽን ሰሓቕን ኢና ንቕበሎ። ከምኡ እንተዘይጌርና ዝገዝኣልና የለን።

ቅድም ትፋለጡዶ ኔርኩም?

ኣይፋሉን። ሌላና ኣብ’ዚ ድኳን’ዩ። አነ እሸይጥ፡ ንሳ ከኣ ትገዝእ።

ዘገርም’ዩ! ንሕናስ ከም’ዚ ናትኩም ስሓቕ ኣይንኽእሎን ኢና።

ኣነ’ውን ኣይክእሎን እየ። ንብረት ድኳነይ ክሸይጥ ኢለ’የ ክኢለዮ። ካልእ ኣይኮነን።

ወሰን ኢልካ ኣይትስሓቀን። ሓንቲ ሸንኪራ ምስ ሓዘትካ ኣይለቆን ከይትብለና።

ኣየ ኣቦይ! ከመይ ኢልኩምከ ርኢኹማ? ዓይንኹም ጽቡቕ ይርኢ ኣሎ።

ብዓይንኻዶ እኸይድ ኣለኹ’የ? ነዚታት እንተዘይርእየ’ሞ ዓዊረ ማለት’ዩ።

ጸላኢኹም ይዕወር!

እዋዘየካ ነይረ እዚ ወደይ። ናብ እንዳ ሓወ’ቦኻ ኣዳላ ከይደ ኣለኹ። ኣመት ድኳን ግበር።

ሕራይ።

Scene 37

እታይ ድኣ ጠፊእካ? ስራሕ ዲኻ ረኺብካ?

ኣብ ሓንቲ እንዳ ኤለክትሮኒክስ ጀማሚረ ኣለኹ።

ሞባይላት ተዐሪ ኣለኻ?

እፈታትን። ገሊኡ አዐርዮ፡ ገሊኡ ድማ እሰብሮ።

እንካ ናይ ሻሂ እንተኾናኻ።

ኩሉ ከማኻ እንተዝኸውን ጀማል ሓወይ።

ሃለው መምህር! ሰዓት ቈጸራና ኣኺላ። ከዘኻኽረኪ ኢለ እየ። ተዓጽያ? (? ? ?)

መን ኢያ እዛ መምህር ዝበልካያ? ናድያ ጓል ኣቦይ ሳልም ድያ?


ብኸመይ ፈሊጥካያ?

መምህር ኢልካ ስለዝጸዋዕካያ። ረቢ ናትካ እንተኢሉዋ ድማ… (? ? ?)

ናብ ናድያ ደዊሉ ኢክላ ከይተውሪ። ንሳብሪን ሓፍትኻ ኣብ ትምህርቲ ሓግዝያ ክብላ’የ


ደዊለ። (? ? ?)

ድሓን’ዩ ድሓን። ሞባይላ ባትሪ ወዲኣ ክትከውን ትኽእል። ነዛ ጓል ቅረባ። ኬፍ ኣለዋ።

ሓቅኻ፡ ባትሪ ወዲኣ ኣላ።

እህእ።

እንታይ ትገብር ኣለኻ?

ይቕሬታ ጀማል።

Scene 37 (ህግየ አለበ)

Scene 152

እዚኣ ናድያ እንድያ?

እንታይ ኮይና በይና ትዛረብ ኣላ?

ባዕልኻ ኣቕልሎ ረቢ! ናድያ፡ ናድያ፡ ንዒ እዛ ጓለይ።

መርሓባ ኣሞይ!

ከመይ ኣለኺ?

እንታይ ድኣልኪ በይንኺ ትዛረቢ?

ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጽልልቲ ኰንኪ ክትዋስኢ ኢኺ ኢሎምኒ። ንዕኡ እየ ዝለማመድ


ነይረ።

ጸላኢኺ እዛ ጓለይ!

ጽልልቲ! ተመሃሮ ጥራይ ዝዋስኡ ይመስለና ነይሩ። እምብኣር ንስኻትኩም’ውን ትዋስኡ


ኢኹም።

እወ። ንሕና’ውን ንፍትነሉ ኢና። እሞ ተሃዊኸ ኣለኹ።

ሰላም ውዓሊ እዛ ጓለይ!


ንሄቨን ጓለይ’ውን ተጋደሊት ኰንኪ ተዋስኢ ኢሎማ። … ኣብ ጽርግያ ኢና ዘለና ኣቲ።

Scene 56

ሃለው ናዱ! እንታይ ድኣ ኣሻቒልክኒ?

መርሓባ ጂሚ! ከመይ ኣለኻ?

ናፍቖትኪ ገዲፍካ ጽቡቕ ኣለኹ። እንታይ ድኣልኪ ድሃይ ኣጥፊእኪ?

ኣነ ደኣ ኣለኹ? ንስኻ ኢኻ ድሃይ ኣትፊእካ። እዚ መዓልታዊ ትሰዶ ዘለኻ ካርድ ግደፎ።

ከምኡ ኣይትበሊ። ክትድውልለይ ኢለ እንደኣለይ።

በዚሑ ጂሚ ሓወይ።

ጸላኢና ብዙሕ ኣይርከብ!

እቲ ቅድምሲ ደሞዝ ኣይነበረኒን…

ሕጂ በዓልቲ ደሞዝ ስለዝኾንኪ ትኣብዪ ኣለኺ ማለት ድዩ ናዱ?

ሕጂ ድኣ ናይ ዲግሪ ደሞዝ እንድየ ዝወስድ ዘለኹ።

ወለድኺ ኣብ ገዛ ኣለዉዶ?

የለዉን። ኣደይ ናብ ስራሕ ከይዳ፡ ኣቦይ ከኣ ንጊንዳዕ ገይሹ ኣሎ።

ደሞዝ ጀሚርኪ እንድኺ፣ ንኣዴኺ ኣዕርፊ ዘይትብልያ?

ኣደይ እቲ ናይ ገድሊ ነብሰ-ምርኰሳ ኣይገደፈቶን።

ርእሰ-ምርኰሰ ሕማቕ ኣይኮነን። ጸላኢና ኣብ ካልእ ይመርኰስ።

ጽቡቕ ኣለኻ።

እሞ ቻው!

Scene 58

ቴለፎንኪ ይቈራረጽ ኣሎ። ሕማቕ ኣሎ። ከዐርየልኪ ኣብ ድኳን ምጽእኒ።

ናብ ድኳንስ ኣይመጽእን’የ።
ተምሪ እምባ ሃበና። (? ? ?)

እንታይ ኰንኪ ዘይትመጽኢ? እንዳ ሓሙኺ ኮይኑኪ ድዩ?

ኣቦይ ኖራይ የሕፍረኒ ኮይኑ።

ናይ ሎሚ ሓወ’ቦኺ፡ ናይ ጽባሕ ሓሙኺ!

‘መርዓዊ ከይሓዛ ዓርኪ ርእሲ ሓዛ’ ትብል ኣደይ!

እንታይ እኺ ዝበልኪ?

ምስላ ትግረ ኢዩ።

እሞ ኣነ ድየ መርዓት ከይሓዝኩ ዓርኪ ርእሲ ሒዘ?

ኣይበልኩን። ገለ ክተዛርበና ኢኻ። በቃ፡ ኣብ ድኳን ከምጽኣልካ’የ።

ቻው በሊ።

ይቕሬታ፡ እንታይ ክህበካ?

ከም ዓንዲ ተዓኒደ ውዒለ፡ ሕጂ ትርእየኒ ኣለኻ? ነታ ተዛርባ ዝነበርካ ጓል ሃባ።

ሓፍተይ’ያ፣ ይቕሬታ እንታይ ክህበካ?

ሓፍተይ’ያ! ዓሚልከ ተረካቢ ድዩ?

ሕጂ እንታይ ክህበካ? ሓፍተይ’ያ፡ ኣይትሓዘለይ።

ሓፍተይ ኣይትበል። ትምቀት’ዩ ተሪፉና’ምበር ኣብ ሕጸን መርዓን ኣርኪብና ኢና።

ክትብኣስ ዲኻ መጺእካ ወይስ ክትገዝእ? ገንዘብካ ምሳኻ ኣሎ፣ ካብ ካልእ ድኳን ዓድግ።

ኣነ ክናገር ኣይመጻእኩን። ንስኻ ግን ክብሪ ዓሚል የብልካን። ነታ መተዓልልትኻ ሃባ።


ከይደ።

Scene 41

ኣቦይ መርኬ ናበይ ገጹ’ዩ? ሰላም ኣቦይ መርኬ?

መርሓባ ኖራይ!

ከመይ ኣለኹም ኣቦይ ኖራይ?


ሕጂ ክዝክረካ ጸኒሔ። ብኣኻ እናሓሰብኩ ድምጽኻ ሰሚዔ።

ንኣስመራ መንገዲ ማይ ጌርኩማ። ኣይትጠፍኡን ኢኹም።

ኣስመራን መኻይናን! ሎሚ መኪና ረጊጻትኒ ነይራ።

የማነ ጸጋም ርኢኹም ዘይትሰግሩ።

ነታ መስገሪት ኣይርኣኹዋን። እተን ቀያሕቲ መካይን ደስ ክብላኻ! ናበይ ኢየን ዝወስደኦ


ነዚ ኩሉ ሰብ?

ስርሐን ህዝቢ ምምልላስ ኢዩ።

ኣብ ዓድና እንታይ ደስ ይብለኒ ነይሩ ‘መስለካ? እኽሊ ዝጸዓና ኣግማል፡ ኣብ መርዓ መኣዲ
ዘቀባብሉ መንእሰያት፡ ነቲ መርዓ ጥሪት ዝሓርዱ ሰብኡት…

ሕጂ ድኣ ናበይ ኢኹም?

ጀማል ወድኻ ጸባን ባንን ኣልሚዱኒ። ምስኡ ቈሪሰ ግምጥል ክብለኩም’የ። ምሳሕ ምሳኻ
ኣብ ገዛኹም። ዕላልካ ናፊቐዮ።

ኩባያ ጸባ እንታይ ክትዓብሰልኩም?

ረቢ ኣፍሊጠካ! ጸባስ ብጓጉድ ኢዩ ዝስተ። ግዜኡ ሓሊፉ። ገዓት ብጠስሚ ይርኣየኒ ኣሎ።

ጸባ ጀማል ንኻልእ መዓልቲ ይጽንሓልኩም። ንኣደ ኣርሄት ገዓት ግበርልና ክብላ’የ። ገዛ


ሕለፉ። ኣነ ስፐዛ ዓዳዲገ ከርክበኩም’የ።

ጽቡቕ ጌርካ፣ ተባረኽ’ዚ ወደይ።

ንኺድ በል።

Scene 287

መኻይን መሬት መሊኤን ትብገስ ግን የላን።

ምስ መሰየ ብኽቡር ክጽዕኑ ይጽበዩ ኣለዉ።

ኣነ ብሚእቲ ናቕፋ ክሳፈረሎም?!

ገንዘብ በጃኹም ይኹን ኣቦይ መርኬ።

ብእግረይ’የ ዝቕድሞም ነይረ። ሎሚ ግን እርጋን ተጻዊቱለይ።


ኣስመራ ድኣ እንታይ ነይሩኩም?

ኣይሰማዕካን ዲኻ? ሓዉኻ ኖራይ ሓሚሙ ነይሩ። ብዘይካኻ ኩሉ ሰብ በጺሑዎ’ዩ።

ዶ? ኣነ ጥራይ ተሪፈ?

እወ!

ድሓን፡ ኣነ’ውን ሕጂ ክበጽሖ’የ።

እወ፡ ከምኡ ግበር’ዚ ወደይ።

ንስኻ ናብተን መኻይን ኪድ። ኣነ ኣብ’ዚ ቀረባ ወጠጦ ኣለኒ። ከምጽኦ ከይደ።

ወጠጦ ኢልካ?

እወ።

ሕራይ እምብኣር።

Scene 294

ደቂ ሳልሕ ሓወይ ኣልባብኩም ኣይነጽሀን። (? ? ?)

ጽቡቕ ተዛረብ ኣቦይ መርኬ። ዝግበር ዘሎ ውዲታት ኣይጠፍኣካን’ዩ።

ኣነ መርኬዶ! ኣነ ውዲታት ኣሊመ? ኣነ እንታይ ገይረ?

ኣሊምካ ኣይበልኩን። ሰብ ጸግዒ ክሕዝ የብሉን። ዝተዘርበ ኣይስተርን። ወረኹም ኣለኒ።

ኣነ’ሞ እንታይ ገይረ? ኩልኹም ደቂ ሓወይዶ ኣይኮንኩምን?

ድሓን፡ ድሓን። ሰሚዐኩም ኣለኹ።

Scene 248

ድሓን! ካብ ሓወ’ቦይ ሮመዳን ክረኽቦ ኣሎኒ። … ሃለው ሓወ’ቦይ ሮመዳን! ነቦይ ረኺብካ
ኣረድኣዮ ኢኻ። መርዓ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ይብል ኣሎ። ቻው፡ ቻው።

Scene 150
እዚ ወዲ ረኣይዮ! እንታይ ኰይኑ? (? ? ?)

እቲ ሓቂዶ ክነግሮ? ባዕለይ ንዘየነባብራ ሰበይቲ ንሱ ክቕልበለይ!? እዚ ፈጺምካ


ኣይከውንን’ዩ።

እውይ! ተጸሊሉ ምስኪናይ!

ጽላለ ኣይኮነን። ሓንቲ ሸንዲሓቶ ክትከውን ኣለዋ።

ያ ረቢ ካብ መንገዲ ሸይጣን እለየኒ!

Scene 307

ሃለው ኣክረም! ናብ’ታ እንዳ ሻሂዶ ክመጽኣካ?

እወ ባባ፣ ሓደ ሰብ ረኺበ ክመጽኣካ’የ።

ኤርትራውያን ቈጸራ ኣይፈልጡን’ዮም ኢልካ ኣይትደንጒ። ብቘጸራ ንእንግሊዝ


ሓሊፍናዮም ኢና።

ጽቡቅ ኣለኻ ባባ። ኣነ’ውን ተዓዚበ ኣለኹ። ብዙሓት ኣብ ቈጸርኦም ዝርከቡ


ኣጋጢሞምኒ’ዮም።

ሕጂ ናብ’ቲ እንዳ ሻሂ እኸይድ ኣለኹ። ቻው።

Scene 309

እዚ ቤት መግቢ ኣዝዩ ጽቡቕ’ዩ። ንዕላል ጽቡቕ’ዩ ኢለ’የ መሪጸዮ።

ጽቡቕ ጌርካ። ካብ ትመጽእ ሓያለይ ጌርካ እዚ ወደይ። መምጽኢኻ ከኣ ንመርዓ’ዩ።

ጽቡቕ ኣለኻ። መርዓ ግን ብጒያ-ጒያ ኣይከውንን ኢዩ።

ጽቡቕ ኣለኻ። እቲ ዕድል ሂብናካ ኣለና። ንሕና ሓንቲ ምህርትን ወረጃን ጓል መሪጽናልካ
ኔርና።

ፈሊጠያ ኣለኹ። ናድያ ጓል ሳልም እንድያ?

እወ፣ ናድያ ጓል ሳልም’ያ። ንኣቦኣ ረኺበዮ ነይረ። ንሳ እንተፈትያ ከምዘይቃወም ከኣ


ሓቢሩኒ።
ናድያ ለባምን ወረጃን’ያ። ረኺበያ ነይረ።

ኣሃ?

ዝወዳእናዮ ነገር ግን የለን። ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ጽቡቕ ብስራት ክነግረካ’የ።

ከምኡ ግበር። ግዜ ሴፍ’ዩ። ‘እንተዘይቈሪጽካዮ ክቘርጸካ’ዩ’ ይብሉ ዓረብ። ከይቀደሙኻ


ተቐላጠፍ።

ጽቡቕ ኣለኻ ኣቦ። ኣብ’ዚ ሓጺር ግዜ ሓዲኡ ክነግረካ’የ። ብዘይክኣ’ውን ሓንቲ ዶክተር
ኣላ። ኣጽኒዔ ክነግረካ’የ።

ዓይኒ ኣይተግፍሕ። ንእንዳ ሳልም ጓልኩም ሃቡና ክንብሎም ወስን።

ኣይትሻቐል፡ ሓዲኡ ከነግረካ’የ። ፒሳ ከብለዓካ ኢለ’የ ናብ’ዚ ኣምጺኤካ።

ስጋ ኣይምሓሸናን?

ድሓን፡ ቅያር ይኾነና።

Scene ? (ዕልብ Scene አለበ)

ናድያ ኣይተጋገየትን። ብገንዘብ ንኣቦይን ሰበይተይን ከነባብር ኣይክእልን’የ። ሰብኣይ’ዩ


ዝምርዖ። ዝምርዖ ከኣ ሰበይቱ ብገንዘቡ የነባብር። ኣቦይ ድሕሪ መርዓ ዘሎ ሓላፍነት
ኣይርኣዮን ኣሎ። ንሙኒር ከይተዳለወ ብግዲ ኣምርዕዩዎ። ኖሪት ኣብ ድንጋጸ ኣቦይ ወዲቓ
። እዚ ኣባይ ክድገም የብሉን። እሰ ካብ ሳብሪን ተገላገልኩ። ንናድያ ብምንታይ ከናብራ
እየ? ርእሰይ ክኽእል ኣለኒ። ውሳነይ … (? ? ?)

ድሓን ድኻ ጂሚ?

ውሳነይ … መጺእኪ?

ናይ ምንታይ ውሳነ ኢዩ እዚ?

ኣየናይ ውሳነ?

ሕጂዶ ‘ውሳነይ’ ትብል ኣይነበርካን?

ኣነ ‘ውሳነይ’ ኢለ?

እወ ‘ውሳነይ’ ትብል ኔርካ። ሎሚ ኣይድሓንካን። ሓዲሽ ነገር እንተሎ ንገረኒ። ወይስ ካባይ
ንላዕሊ ትኣምኖ ኣለካ?
ካባኺ ንላዕሊ ትቐርበኒ የብለይን። ብኣንጻሩ ካባኺ ከይርሕቕ ኢዩ ዘጨንቐኒ ዘሎ።

ሎሚ እንታይ ሓዲሽ ተረኺቡ? ዘይትነግረኒ? ምናልባት እቲ ፍታሕ ምሳይ ይህሉ


ይኸውን።

ነቦይ ውሳነይ ክነግሮ ተቛጺርና ኔርና። እቲ ግዜ ቘጸራ ከኣ ኣኺሉ።

ኣሃ! ኣይትጨነቕ። ሃዲእና እንታይ ክንገብር ከምዘለና ንሕሰብ።

ድሓን ንስኺ ምሳይ ኣይትጨነቒ። እቲ ሽግር ናተይ’ዩ። ባዕለይ ከኣ ክገጥሞ’የ።

Scene 117 (ቅርጭት ህሌት)

እዋእ! ተቐቢሎሞ እንድዮም። ካብ ትብጻሕካ ንላዕሊ እንታይ ደልዮም?

ኣሞይ ራየት ገና ኣይተቐበለቶን። ንዓኣ ከፍቱ ኢሉ’ዩ እዚ ኩሉ ዝገብር ዘሎ።

Scene 284

ቁሩብ ሕፍረት የብልክን? ነውሪ ኣይትፈልጥን? ሰብ እንታይ ይብለኒ ኣይትብልን?

እንታይ ግበሪ ኢኺ ትብልኒ ዘለኺ ማሚ?

እዞም ኣጋይሽ ንኣቦኺ ክበጽሑ ኢዮም መጺኦም። ኣጋይሽ ምስ መጽኡ ንምንታይ


ትወጽኢ? ምስኪናይ ጀማል ወደይ! ንስኺ ኮፍ ኢልኪ ንሱ ከኣ ንበይኑ እኽለ-ማይ የቐብል
ኣሎ።

ኦፋ! ገዛ እንተዘይገዲፈልኩም ሰላም የለን።

ከይትጽረፊ ኢለ እየ።

ይጽረፉ ግደፍዮም። በቃ! ኣቦይ ሓውዩ ወጺኡ ኣሎ። ንምንታይ’ዮም ኣራግጽ ዝውድኡና?

ካብ ሰብዶ ኣይኮንናን ተወሊድና መንሱራ?

ማ ቫይ! ትሮፖ በዚሑ! መን ዓሲር ክብጽብጸሎም ክውዕል’ዩ? ስቕ ኢልካ ጭንቀት።

ትሰምዒ መሲሉኒ ተዛሪበ። ገዲፈዮ ኣለኹ።

ድሓን፡ እቲ ወድኺ ይኣኽሎም።

እንታይ ወድኺ ይኣኽሎም?


ምስ’ቲ ሰብኣይኪ ኣኼባ ከይህልዎም።

እቲ ሰብኣኪ ትብልዮ ዘሎኺ ኣቦኺ’ዩ። እቲ ወደይ እውን ሓዉኺ። ሃላይ ወሃላይ!

Scene 290

ናብ ዓብደልዓዚዝዶ ክድውል? እንታይ’ያ busy busy ትብል ዘላ? እንታይ መኻልፉ ኢዩ


እዚ!?

Scene 282

ኣብ ቃለይ ጸኒዔ ኣለኹ። ረቢ ካብ መሓረኒ ጉዳይ መርዓና ንግበር።

እንቋዕ ነዚ ኣብቅዓካ። ኣሻቒልካና ኔርካ። ምስ በዓልቲ ቤተይ ተመያይጠ ክነግረካ’የ።

ናይ ምንታይ ምይይጥ? ውዱእ ነገር’ዩ። እታ ቈልዓ ትምህርቲ ተቋርጽ። መርዓና ከኣ


ንግበር።

በዓልቲ ቤተይ ንመርዓ ጓላ ኣይተቐበለቶን። ድሓን ግን፣ ከረድኣ እየ።

ትቀበሎ ኣይትቀበሎ እታ ቈልዓ ትምህርቲ ተቋርጽ።

እታ ቈልዓ ብትምርቲ ዝመጽኣ ኣይትፈቱን’ያ። ድሓን ግን፣ ከቀባጥረላ እየ።

ኩሉ ዘድልያ ክንገብረላ ኢና። ንስኻ ከኣ ብወጻኢታት መርዓ ኣይትሻቐል። ባዕለይ ክሽፍኖ


እየ።

ከምኡ ኢልካ?

እወ።

ድሓን’ምበኣር። ምስ በዓልቲ ቤተይ ክንረዳዳእ ኢና።

ኣነ ድማ ንጀማል ወደይ ክነግሮ’የ። ካብ’ዛ ጓል ሳልም ክፈልዮ’የ።

ሕራይ መርሓባ! ኣነ’ውን ስራሕ ገዲፈ’የ መጺአ ዘለኹ። ድሓን ውዓል!

ድሓን ውዓል! ክጽበየካ’የ፣ ቀልጢፍካ ሓብረኒ።

ሕራይ።
Scene 381

መዓልኩም!

መርሓባ ባባ!

ድሓንዶ ውዒልክን?

ኣልሓምዱሊላህ!

እቲ ሰብኣይ ኣይኣተወን ድዩ?

መን ሰብኣይ ኢዩ? ጋሻዶ ኣለና ኢዩ?

እቲ ዋና ገዛ ማለተይ ኢዩ?

ብዘይካኻ ካልእ በዓል ገዛ ኣለና ድዩ?

ኣዴኽን ማለተይ ኢዩ። ከም ሰብኣይ ኣብ ገዛ ኣይትጸንሕን’ያ ማለተይ’ዩ። (? ? ?)

ኣሃ! ኪዲ ኣጽንዒ ነጃት።

ሕራይ።

ኣይመጽኤትን። ንግሆ ናብ እንዳ’ቦይ ኣዳላ ከይዳ። ሕጂ ሰይቲ ኣቦይ ኣዳላ ኣትያ’ዶ ኢላ


ደዊላትለይ ጸኒሓ።

‘ኣፍ ንዘለዎ ኣይሓልፎን፡ ኣፍ ዘይብሉ ከኣ ኣይጸንሓኒን’ ይበሃል። ኣደኺ ምስ ዝረኸበቶ


ከተውሪ ቀልጢፋ ኣይትኣቱን።

ኣይተረድኣኒን።

ዩኒቨርስቲ ወዲእኪስ እዚኣ ትጠፍኣኪ?

ኣይተመሃርኩዋን።

በሊ ስምዕኒ። ኣዴኺ ኣብ ዙረታ ምስ ዝረኸበቶ’ያ ተውሪ። ስለ’ዚ ኣፍ ዘይብሉ


ኣይጸንሓን’ዩ። ኣፍ ንዘለዎ ንሳ ኣይትሓልፎን’ያ። ቡን ኣፍልሕለይ እዛ ጓለይ።

ሕራይ! ኣደይ ግን ጽቡቕ ትገብር ኣላ። ምስ ሰብ ጽቡቕ ዝምድና ትፈጥር ኣላ። እዚ ጽባሕ
ክጠቕመና’ዩ።

ዓቐኑ ግን ክሓልፍ የብሉን።

ክሳብ ኣደይ ትመጽእ ቡን ከፍልሕ።


ጽባሕ ክገይሽ’የ። ክዳነይ ኣስታርርለይ።

ሕራይ።

ኣላህ!

Scene 567

ድሓን ዲኹም ድኣ ዝን ኢልኩም?

ድሓን’የ። ዘሻቕል ጉዳይ ኣበይ ከይስኣን!

እንታይ’ዩ ዘሻቕለኩም ዘሎ? ቡንዶ ከፍልሓልኩም?

ቡን ኢልኪ? እንታይ ድኣ ዘይኣመልኪ?

እንታይ’ዩ እቲ ዘይኣመለይ?

ከይወጻእኪ ኣብ ገዛኺ ውዒልኪ። ውራያትኪ ተወዲኡ ድዩ?

ስለዝሓመኹኒ ሎሚስ ምስ ኣቦ ሳምያ ክውዕል ኢለ።

እሞ ሎሚ ንስለ ፍቕረይ ገዛ ውዒልኪ?

እወ። ካብ ሕጂ ንድሓር ምሳኹም ጥራይ ክውዕል’የ።

ሰሚዔኪ ኣለኹ። ንዓይ ዘሻቕል ዘሎ ግን ካልእ’ዩ።

እንታይ’ዩ?

ጉዳይ ናድያ ጓለይ’ዩ።

ጉዳይ ናድያ ዘየሻቕል ኣይኮነን። ኣይነገረትናን’ምበር ልባ ምስ ጀማል ኖራይ’ዩ ዘሎ።

ጀማል ካብ ግናይ ኣቦ ተወሊዱ’ምበር ጥዑይ ወዲ’ዩ።

ኩነታት ናድያ ንኹልና ኣሻቒሉ ኣሎ።

ካብ መገሻ ምስ ተመለስኩ ተሪር ውሳነ ክውስን’የ። ነዞም ዝሓትቱላ ዘለዉ ትብጻሕኩም


ክብሎም’የ።

ከምኡ ይሓይሽ ኢልኩም?

እወ።
ቁሩብ ዘይንጽበ? ናበይ ኢኹምከ ክትገሹ?

ረሲዕኪዮ ድኺ? ሓፍተይ ወዳ ተመርዑ ኣላ።

እወ፡ እወ።

ጓልኪ ድሕሪ ሕጂ ዝበልናያ ጥራይ ትግበር።

Scene 559

ናድያ ንጀማል ከምትፈትዎ ካብ’ቲ ናይ ቴለፎን ዝርርቦም ፈሊጠ። ኖራይ ግን ገና ሓሳቡ


ኣብ እንዳ ኣዳላ’ዩ ዘሎ።

ንጀማል ሳብሪን ኣብ ልቡ የላን። እቲ ወዲ ወረጃ`ዩ።

ወረጃ ይኹን ኣይኹን፡ ከይሓተተና ንጓልና ተመርዓዋ ክንብሎ ኣይንኽእልን ኢና። ኣገባብ
ኣይኮነን።

ኣነስ ምስ ሳብሪን ከምዘየለ ክሕብረኩም ኢለ’የ። እንቋዕ ናብ ልብኹም ተመለስኩም።


ኖራይ ምስ ኣሕረቐኩም ሕማቕ ሓሲብኩም ኔርኩም።

ኖራይ ድኣ ምስ መንከ ዘይተባእሰ። ኣዳላ’ውን ብሰንኩ’ዩ ጠፊኡ ዘሎ። ኖራይ፡ ኖራይ


እንተበሉዎ ጸጊቡ። ሎሚ ግን …

ገንዘብ፡ ጥዕና፡ ዝና ነባሪ ኣይኮነን።

እወ።

ሎሚ ኣሎ፡ ጽባሕ የለን።

እወ።

ዓለም ከም’ዛ ጽላሎት’ያ።

ጽቡቕ ኣለኺ።

ጽቡቕ ተግባር ግን ነባሪ`ዩ።

እወ ነባሪ’ዩ! ጀማል ሽማግለ ሰዲዱ እንተሓቲቱ ክህቦ’የ። እንተዘየለ ነቶም ዝሓትቱላ


ዘለዉ ትብጻሕኩም ክብሎም’የ።

ኣነ’ውን ከምኡ’የ ደልየ። ካብ ጀማል ርሓቒ ምስ በልኩማ ደስ ኣይበለኒን። ጓልና ኣብ


ሕማቕ ከይትወድቕ ፈሪሔ።
ጽቡቕ ኣለኺ።

Scene 571

ኖራይ ስለ ዘሕረቐኒ’ምበር ንምንታይ እነጽጎ?

ምስኪን ጀማል! ብሓጥያት ኣቡኡ ክቕጻዕ ኣይግባእን። ናይ ባዕሉ ዱኳን ከኣ ገይሩ ኢሎሞ።

እሞ ስለዝሃብተመ ዲኺ ፈቲኺዮ?

ኣይፋሉን! ገንዘብ ነባሪ ኣይኮነን። ሃብቲ ኣቡኡ ሎሚ ኣበይ ኣሎ። እቲ ወዲ ወረጃን


ለባምን’ዩ ኢለ’የ።

ጓልና ብገንዘብ ኣይንሸጣን ኢና። ባዕላ ትምረጽ። ረቢ ሓሳብ ልባ የስምረላ።

ረቢ ይስማዕኩም!

ኣሜን!

ናድያ ጓለይ ለባም’ያ። ኣብ ዘይጠቅም ኣይትወድቕን’ያ። ምስ ጀማል ይኹን ካልእ ትመርዖ


ጥራይ። ንሕና ክትመስልን ክትወልድን ጥራይ ኢና ንደሊ።

እወ! ከም’ቲ ዝበልኩኺ ክገይሽ’የ።

ኣነስ ምሳኹም ዘይገይሽ?

ገዛ ክልተና ክንገድፎ ኣይንኽእልን ኢና። ንስኺ ኣብ ገዛ ጽንሒ።

ቤተሰብና እንድዮም። ክሓምዩኒ ኢዮም።

መትረፊኺ ምኽንያት ክነግሮም’የ። ኣይትሻቐሊ።

ካብ በልኩም’ምበር ብሓባር ምኸድና። መቼም ኩሉ ግዜ ምሳኹም ክኸይድ ኣይትደልዩኒን


ኢኹም።

ድሓን ኣይተሓዝለይ።

Scene 107

ድኳን ድኣ ንመን ገዲፍካዮ? ዓጺኻዮ ዲኻ?

መንሱር ወዲ ሓወ’ቦይ ከጽንሓለይ’ዩ። መንሱር ስርሑ ጽፉፍ’ዩ።


ምስኪናይ መንሱር! ኣቦይ ኣዳል እናጸረፈ ኣዋሪዱዎ።

ኣቦይ ካብ ኣዳላ ንላዕሊ’ዩ ዝጸልኦ። ኣብቲ ድኳን ጥራይ ከይረኽቦ።

ብዙሕ ቁምነገር’ኳ የብሉን። ግና መን ይፈልጥ ይልወጥ ይኸውን።

ሕጂ ኣብ’ቲ ጉዳይና ንእቶ። ካባኻ ዝሕባእ የብልናን። ኣነን ናድያን ፍቑራት ኢና። ግና
ብድሆታት በዚሖምና። ንናድያ ዝሓትቱ በዚሖም። ወለደይ ድማ ሓንቲ ሕጻን ከመርዕዉኒ
መዲቦም።

እንታይ ሓድሽ ምዕባለታት ኣሎ?

ዝመጸ ይምጻእ ኣነን ናድያን ክንብድሆ ወሲንና ኣለና።

ኣብኣ ጽንዑ። ኣብ መወዳእታ ክትዕወቱ ኢኹም።

ፍቓድ ረቢ ይኹን።

ኣይኮነን ድዩ ናድያ?

መዓልኩም!

መርሓባ ኣደ!

ከመይ ኣለኹም ደቀይ?

ጽቡቕ ማማ።

ንበሩ!

ኣብ ምብጋስና መጺእኪ።

ጸላኢኹም ይኺድ!

Scene 601

መዓልኩም!

መርሓባ! ድሓን’ዶ ውዒልኩም?

እዚ ስፐዛ ናትና ድዩ?

ኣጋይሽ ክመጽኡና ኢዮም። ጽቡቕ እንግዶት ኣዳልዋሎም።


እንታይ ዝኾኑ ኣጋይሽ ድኣሎም?

ጓልኩም ሃቡና ዝብሉ ኣጋይሽ’ዮም። ጓልኪ እዚ ናይ መወዳእታ ዕድላ’ዩ። ምኸርያ። ሕጂ


እንተኣብያ ኣነ ኢደይ ከልዕል’የ።

ንፈልጦም ድዮም ወይስ ናይ ወጻኢ?

ንስኽን ንሳን እትፈልጥኦም ኢዮም። እንዳ ዓብደላ ወዲ ሰልማን’ዮም።

እንዳ ዓብደላ ወዲ ሰልማን?

እወ።

ኣጸቢቐ እፈልጦም።

እወ።

ቅድሚ ሕጂ ነጊርካኒ ኔርካ።

እወ።

ስለዘይተመልሱ ዝገደፉዎ መሲሉኒ።

ኣይገደፉዎን። ክመጽኡና ኢዮም።

ሕራይ! ጽቡቕ! ፍቓድ ረቢ ይተሓወሶ።

ኣሜን!

Scene 603

እንዳ ዓብደላ ወረጃታት ኢዮም።

እወ!

ግና ንሳ ክትቅበሎም ኣለዋ። ሕራይ ኢልኩሞም ጥራይ ከይትኾኑ?

ኣይፋለይን። ድሓር መልሓሰይ ከይተዕጽፈኒ ዋላ ሓንቲ ኣይበልኩዎምን። ንሳቶም ግን


ንእንዳ’ደ ኣይገድፉ እንዳ’ቦ ንኹሉ’ዮም ሓቲቶም።

ድሓር ኣብ እኩብ ሰብ ከይተሕፍረና ምስ ጓልና ንምከር። ሕራይ ነብላ።

ሕራይ እንተዘይበለትከ?
መዓልኩም!

መርሓባ’ዚ ወደይ!

ከመይ ኣለኹም ኣቦይ ሳልም?

ኮፍ በል ጀማል ወደይ።

ኣቦይ ሳልም!

መርሓባ!

ኣነ ምሳኹም ክዋሰብ ደልየ ኣለኹ።

ምሳና ክትዋሰብ እንተደሊኻ መዋስብትና ኢኻ።

ብሕግን ስርዓትን ሃይማኖትና ጓልኩም ሃቡኒ ክብል’የ መጺኤ።

ንሕና ሕግን ስርዓትን ኣለና። ሽማግለ ስደደልና።

ኩነታት ኣቦይ ትፈልጦ ኢኻ። ኣነ እኹል ሰብ’የ። ካብ ኣቦይ ዝደልዮ የብለይን። ቃል ጥራይ
እተዉለይ’ምበር ሽማግለ ክሰድድ’የ።

ስድራኻ ሒዝካ ጥራይ ምጻእ። ስተ።

ስተ እዚ ወደይ።

Scene 615

ኣደ ናድያ!

ኣሃ?

ንስኽን ጓልክን ተዘራሪብክንዶ?

ዛጊት ኣይመጽኤትን። ምስ መሓዝኣ’ያ ሓዲራ። ብኡ ኣቢላ ከኣ ንስራሕ ከይዳ።

ድዊልኪ ዘይትነግርያ ወይ ምጽኢ ዘይበልክያ?

ቴለፎና ተልዕላየላን። ክፍሊ ኣትያ ትኸውን።

ሕጂ እንተመጺኦም እንታይ ኢና ክንብሎም?

እንታይ’ሞ ክንብሎም! ቅድም ንሳ ትምጻእ።


እንታይ ሽግር’ዩ እዚ!?

Scene 619

ተዳሊኺዶ? እታ ጓልከ መጺኣዶ?

ኣነስ ተዳልየ ኣለኹ። ንሳ ግን ኣይመጽኤትን። ሰዓት ምፍዳሳ ኣኺላ ኣላ።

ባዕላ ትፈልጥ። ድሓር ኣየማኸርኩምኒን ጥራይ ከይትብል።

ከይሓተትኩማ ሕራይ ኣይትበሉዎም።

ኣየእትወኪን ኢዩ!

Scene 619 (ዕልብ Scene ድጉም ሀለ)

ክድቅስ ደልየ። ናድያ ንኺድ ንደቅስ።

ሕለፊ፡ ናድያ ከተርክበኪ’ያ።

ናድያ ጓለይ ስምዕና፣ ንጽቡቕኪ’ዩ።

እወ’ዛ ጓለይ! ንሕና ጽቡቕኪ ኢና ንደሊ። ውላድኪ ክንርኢ ደሊና።

ዝኣክል ኣቀባጢርናልኪ። ምስማዕ ኣቢኽና። ወለድኺ’ኮ ኢና።

ባባ ዘይትገድፉኒ። እቲ ንዓይ ዝበሎ ባዕሉ ሒዙዎ ኣሎ። ባዕለይ ክውስን ግደፉኒ።

ዶክተራትር፡ ሃብታማትን ካብ ወጻኢ ዝመጽኡን ይሓትቱልኪ ኣለዉ። ንመን ክትምርዓዊ


ኢኺ?

ከይተመርዓኹ እንተነበርኩኸ?

ቱፍ በልዮ! ጸላኢኺ ከምኡ ኢሉ ይብለ። ምርቓና ክትረኽቢ ሕራይ በልና።

ባፋንኩሎ! እዚኣ ትሰምዕ ጓል ኣይኮነትን።

Scene 581
ብኣጋጣሚ እዚ መርዓ ክገይሽ እየ። ኩሎም ቤተሰብ ክበጽሖም’የ። እንተደንጕየ
ኣይትሻቐሉ። ወዲ ኖራይ’ውን ምሳኻ ክገይሽ ኢሉኒ ነይሩ።

ጀማል ድኣ እንታይ ነይሩዎ?

ብዛዕባ ሓወ’ብኡ ኣዳላ ከጣይቕ ደልዩ። ግና ትረፍ ድሓን ባዕለይ ከጣይቐልካ ኢለዮ።

ኣዳላ ገና ኣይቀበጹዎን? ግን ከኣ ሓቆም። ዘይቀበረ መዓስ ይቐብጽ! እዞም ቤተሰብክም


ኣብ ኩሉ ድዮም ዝርከቡ?

እወ፡ ኣቦሓጎታትና ኣዝማድ ከብዝሑ ካብ ካልኦት ቀቢላታት ይምርዓዉ ነይሮም።


ይመስገን ከኣ ኣዝማድና ኣብ ኩሉ ኣለዉ።

ጸላኢና ኣብ ጸቢብ ይወሰን! ሰብካስ ኣብ ኩሉ ድኣ ይጽናሕካ!

ንሰይቲ ኣዳላ ክሕግዙኺ ስድራኺ ክንጽውዓልኪ ኢልናያ እንዳ’ቦይን እንዳ’ደይን እዚ ኢዩ


ኢላትና።

ምስኪነይቲ ሰይቲ ኣዳላ!

ኣቦ፡ ካብ’ቲ ትኸዱዎ ብርጭቕ ተማልኡለይ።

ብርጭቕ ዝዝርኦ ቦታ ኣይኮነን። ካልእ መዓልቲ።

እዛ ቈልዓ ብብርጭቕ ክትጽለል’ያ።

ኣይተማርርያ። ንስኽስ ትጐማምድዮዶ ኣይነበርክን።

ወሪዱኒ!

ናድያ ድኣ እንታይ ኮይና ደንጕያ?

መርመራታት ግዲ ኣለዋ ኰይኑ!

ከምኡ’ዩ ዝኸውን።

Scene (ዕልብ Scene ኣለበ)

ንዒ ነጃት!

ኣሃ?

ጨና ገዛ ኣምጽእለይ።
Scene 537

ሓውኺ ሓድሽ ድኳን ናቱ ክገብሮ’ዩ።

ናትካ ናይ ሓላልካ?

ኣይፋሉን፡ ናተይን ናትክን።

ክራይ ኣይከብረካን?

ገንዘብ ተለቂሔ ኣለኹ። ዓብደልዓዚዝ’ውን ክሕግዘካ’የ ኢሉኒ ኣሎ።

ኣነ’ውን ገለ ከበርክት።

ናትኪ ከም ኣበርክቶ ኣይኮነን ዝርኤ፣ ዋና እንዲኺ።

ናብኡ ክንበጽሕ እንታይ ንግበር?

ድሓን’ኮ ኢለኪ’የ። ቻው ንሕጂ።

ሕራይ በል፡ ቻው።

Scene 537

እሂ? እሰሞዓካ ኣለኹ። ፈሊጠካ ኣለኹ። እንታይ ክትብል ደሊኻ? ጀማል፡ ይኣኽለኒ። ክሳብ
መዓስ ክዕሾ ክነብር? መደናገሪ ኣይትመስለኒን ኔርካ። ነታ ጓል ሓወ’ቦኻ ተመርዓዋ። ቻው!

Scene 340 (ህግያ አለበ)

Scene 315

ንጀማል ጽውዕለይ።

ጀማል ንግሆ ወጺኡ፣ የለን።

ንግሆ ወጺኡ?
እወ።

ድሓን።

ብዘይ ድልየቱ ነመርዕዎ ኣለና። ኩነታቱ ጽቡቕ የለን።

ነገር ከይተምጽኢ! ተመርዖ ምባል ካብ መዓስ ጸገም ኮይኑ?

መርዓ ካትብሉዎ ኣይበልዕ ኣይሰቲ።

እሞ ባዕልኺ ኣኾልስዮ።

እዚ ቈልዓ ኣይተገድድዎ። ክጠፍኣና’ዩ።

ከም ሙኒር ሓንቲ ጓና ከምጽኣልና ደሊኺዮ።

ሙኒር ብግዲ ስለዘመርዓኹሞ’ዩ ከምኡ ገይሩ። ጀማል ኣፍቂሩዋ ዘሎ ጓል ፈሊጥናያ ኣለና።


ተቐቢልናያ ከኣ ኢና።

ንስኺ እንተተቐበልክያ ኣነ ኣይቅበላን’የ።

ነዚ ቈልዓ ንስመዓዮ። እንተኣገዲድኩሞ ክጠፍኣና’ዩ።

ክጠፍእ እንተደልዩ ይጥፋእ! ኣይትካትዕኒ!

ብዘይድልየት ዝኸውን ነገር እንተ’ልዩ ክንርኢ ኢና።

ኣፍኪ ሓዚ ኣቲ ሰበይቲ!

Scene 319

ኣነ ወሲነ’የ። የማን ጸጋም ምባል የለን።

ተማኺርካ ትገብሮ’ዩ ጽቡቕ’ዩ። ንመያየጥ።

ምኽርኺ እዚ እንተኾይኑ ግደፍኒ።

እታ ሕጽይቱ ሳብሪን እውን ጸቡቕ የላን። ትምህርቲ ኣቋርጺ ምስ በሉዋ ተጸሊላ። ኩሉ


ሰብ ጀማል እንታይ ኮይኑ ይብል ኣሎ። በጅኡ ይስጥሓኒ ጀማል!

እንታይ ድኺ በሊዕኪ ሎሚ? መን ጠበቓ ገይሩኪ ክንዲ’ዚ ትልፍልፊ? ጀማል እንታይ ኮይኑ
ኢሎምኺ?

ሰይቲ ራኪ ኣብ ድኳን ሕማቕ ተቐቢሉኒ ኢላትኒ።


ናብ ጽቡቕ ዝቕበልዋ እሞ ዘይትኸይድ?

ትሰምዑ መሲሉኒ’የ ተዛሪበ። መወዳእትኡ የጸብቆ!

ሌፍ ክትብሊ ሰዓት መግቢ ኣሕሊፍክልና። ቀልጥፊ መግቢ ሃብና።

Scene 345

ጅማል ወደይ፡ እዚ ባህሊ ኣቦታትካ’ዩ። ጓና ኣይወስዱን ጓሎም ከኣ ካልእ ኣይረኸቡን።


(? ? ?)

እዚ ድሑር ባህሊ’ዩ። ዕድላ ይሰብሩላ ኣለዉ።

ኣቦኻ ንኩሉ ብምስጢር’ዩ ዝሕዞ። ሳብሪን ምዃና’ውን ድሓር ኢና ፈሊጥና።

እዚ ኣየናይ ምስጢር ኮይኑ? ንምንታይ’ዩ ብምስጢር ዝሕዞ?

ሕጂ ዝሰማዕኩዎ ክነግረካ…

እንታይ ሰሚዕኪ?

እንዳ ሓወ’ቦኻ ኣዳላ ውዲት ኣሊሞም ኣለዉ።

እንታይ ውዲቱ? ጓልና ኣይንህብንዶ ኢሎም?

ከምኡ እንተዝብሉ ድኣ ጽቡቕ ነይሩ። ንመንሱራ ከም መባድልቲ ሳብሪን ይደልዩዋ ኣለዉ።


ንሓፍትኻ ነዚ በጋሚንዶ ወዶም ሃቡና ኢሎም።

ጽቡቕ ሓሲቦም። ንመንሱር ንሕና እንተዘይኣኪብናዮ መን’ዩ ክእክቦ?

ነዚ ከስላን ወዶም ሓፍትኻ ክትህቦ ትደሊ ኣለኻ? (? ? ?) ሕንግድ

ሕጂ ጽቡቕ ሓሲቦም። ኣነ’ውን ምስኦም ኣለኹ።

ከምኡ ኢልካ!? ነዚ ድርባይ ወዶም ሓፍትኻ ክትህቦ! ሓፍትኻ ጓል ኣዴኻ እኮ’ያ።

መንሱር ሽሕ ግዜ ካብ’ዛ ጓልኪ ይሓይሽ። መንሱር ሓወ’ቦታተይ’ዮም በዲሎሞ። ሰብ ኩሉ


ግዜ ድርባይ እንተ’ልካዮ ድርባይ’ዩ ዝኸውን።

ከምኡ ኢልካ በቃ!? ሓፍትኻ ነዚ ሃላይ መንሱር ኣሕሊፍካ ሂብካያ? ደሓን!


ንስኻትኩም ዓሻ በሉዎ፡ ኣነ ግን ኣይብሎን’የ። ሕጂ ናብ ድኳን ክኸይድ’የ። ድሓር ረቢ
ፈልጥ!

እሂ?

Scene 352

ወረ ገዲፍኪ ተዳለዊ። መርዓ ኣትዩኪ ኣሎ። ገዛኺ ኣጻፍፊ።

እቲ ናቶም ቅድመ-ኲነትከ ከመይ ክኸውን’ዩ?

እዚ ዘረባ ኣንስቲ’ዩ። ምሳይ ኣይከይድን’ዩ። ዘረባይ ሓንቲ’ያ።

እንዳ ኣዳላ ከመይ ኢሎም ደፊሮም ንጓልና ይሓትቱ?

እዚ ኣየእትወክን’ዩ። ንዓይን ንኣዳላ ሓወይን ይምልከት። ተረዳዲእና ከኣ ኣለና።

ራየት ጓላ ኣይክትህበናን ኢያ። ገንዘብና ንኸስር ኣለና።

ራየት መን ኮይና’ያ ትህብን ትኸልእን? ኣነን ኣዳላን ዝወዳእናዮ ነገር ንድሕሪት


ኣይምለስን።

ዶ? እዚ’ኮ ዓዲ ሕጊ’ዩ። ንደቂ ኣንስትዮ ኣይትንዓቑ። ራየት ናብ ሕጊ ከይዳ ጓለይ የገድድዋ


ኣለዉ እንተበለት እንታይ ትገብሩ?

ኣዳላ ምሳይ ኣሎ። ኩሉ ምድላዋቱ ገይሩ’ዩ። ሃተፍተፍ ገዲፍኪ ተዳለዊ። መንግስቲ ኣብ


ውላደይ እንታይ ኣእተዎ?

ድሓን፡ ሕጊ ልዕሊ ኩሉ’ዩ።

Scene (ዕልብ Scene አለበ)

ኣዳላ ሓወይ፡ ንሰበይትኻን ጓልካን ሓቢርካየንዶ? መርዓ ዝመጽእ ሰሙን’ዩ። ብዛዕባ


ወጻኢታት ዘሰክፍ የልብልካን። ኩሉ ባዕለይ ክስፍኖ’የ። ዝቐደመ ድሮ በጺሑካ’ሎ።

ሓቢረየን። ግን ካልእ ሓሳብ ኣምጺኤን ኣለዋ።

ኣነ ሓብረን’የ ኢለካ’ምበር ኣማኽረንዶ ኢለካ’የ። ኣንስቲ መን ኣብ ምኽሪ የእትወን?


እንታይከ ኢለን?
እታ ቈልዓ ክትምርዓዊ እኺ፡ ትምህርቲ ኣቋርጺ ምስ በልናያ ሕማቕ ኣላ። ኣይትበልዕ
ኣይትሰቲ!

ናይ ጓል ገዲፍካ ተዛረብ። ኣዋልድ ኩሉ ግዜ ከምኡ እየን ዝገብራ።

እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን? ንክብርኹም ክንብል ኢና ካብ ትምህርቲ ኣውጺእናያ።

ጓልካ ዘይተጸበየቶ ጀማል ረኺባ’ያ ብታሕጓስ ሃለዋታ ኣጥፊኣ። ነዚታት ገዲፍካ


ምድላዋትካ ግበር።

ናይ’ዘን ኣንስቲ ሓሳብ ኣይጸላእክዎን። ደጊፈየን ከኣ። ንዝምድናና ዝያዳ ዘትርር’ዩ።

ምኽሪ ኣንስቲ ዓዲ ኣየልምዕን’ዩ። እንታይ ኢየን ኢለን?

ንመንሱራ ንመንሱር ወድና መባድልቲ ሳብሪን ሃቡና ኢለን።

ንመንሱር ኣነ ቀቢጸዮ’የ። ካብ ስድራና ኣውጺኤዮ’የ። ይትረፍ ጓለይ ክህቦ ካልእ ጓል’ውን


ኣይሓትተሉን።

ኣይፋልካን ኖራይ። ካብ ኣብራኽካ ዝወጽኤ ይሕመቕ ይንፋዕ ውላድ’ዩ። ከም’ቲ ንስኻ


ክትቀርበና ዝደለኻ ንሕና’ውን ክንዋሰበካ ንደሊ ኢና። ንመንሱር ንስኻ ሓወ’ቦኡ
ዘይኣከብካዮ መን ክእክቦ’ዩ?

ደንጕየኩምዶ?

ስተ ኣዳላ።

Scene 276

ብደቂ ኣንስትዮ ጀምር ጀማል።

ኣይፋሉን! ሰበይቲ ቅድሚ ሰብኣይ ኣይትወስድን። (? ? ?) ኣይትሕዝን’ያ

ዕድመ ይሃብካ’ዚ ወደይ!

ብዘይክአን ኩሉ ብላሽ’ዩ!

ደቂ ኣንስትዮ ዘይብሉ ጉዳይ ብላሽ’ዩ ሳልም።

እንቋዕ ነዚ ኣርኣየና። ኩነታት ኖራይ ኣፍሪሑና’ዩ ነይሩ።

ኣካቢዶሞ’ምበር ድሓን’የ ነይረ።


እንታይ ክነካብዶ? ሃላዋትካ ኣጥፊእካ ኔርካ።

እታ መዓልቲ ኣቲኣስ እንቋዕ ሓለፈት! ምስ ተበራበርኩ ኢዮም ነጊሮምኒ።

ብማሽን ከስተንፍስ ምስ ረአኹዎ ተሻቒለ። ምስጋና ንረቢ ነዚኣ ዘርኣየና!

እታ ዓባይ ሞት ገና’ያ፡ ነታ ንእሽቶይ ሞት ግን ፈቲነያ እየ።

ደቀይ ምሕማሙ ምስሰምዓ ክበኽያ ሓዲረን።

እንታይ ድኣ ዓሲር ጥራይ? ፍሩታ ከኣ ብልዑ።

ይኣኽለና፣ ሒዝና ኣለና።

መንሱራ ጓለይከ ኣበይ ኣላ? ሓፊራ ድያ?

ክትመጽእ ኢያ።

Scene 278

መግብን ቡንን ከኣ’ባ ቀርቡ።

ዘሀውኽ የለን።

መግቢ ድሉው’ዩ ዘሎ። ፍሓም ተምሪ ሙሳ ስሉጥ ኣይኮነን።

ንኣዳላ’ውን ምብጻሕ የድልዮ ነይሩ።

እንታይ ኮይኑ ድዩ?

እንቋዕ ረቢ መሓረካ! ኩሊቱ ኣወፍዩልካ ነይሩ።

ኣዳላ ሓው ዝገብሮ ገይሩ’ዩ።

ግቡእና ኢዩ።

ሓቦኛ ኢኻ ኣዳላ!

ኣዳላ ጥራይ ኢዩ ኣካለይ ቈሪጽኩም ውሰዱዋ ኢሉ። ሂወቱ ንሓዉ ኣወፍዩዋ’ዩ።

ኣቦ፡ ናብ ድኳን ክኸይድ’የ።

ጋሻ ምስ ኣፋነኻ ትኸይድ።

ሕራይ።
መርሓባ!

ምሳሕ’ባ? ደንጒኺ።

ምሳሕ ድሉው ኣሎ። ክነምጸኣልኩም?

እወ።

Scene 280

ገዛና ክንከይድ ኣፍቅዱልና።

ግዜ ገና’ዩ ዘሎ። ኣዕልሉ።

የቐንየልና ኖራይ ሓወይ። በሊዕና፡ ሰቲናን ኣዕሊልናን። ሕጂ ፍቐዱልና ክንከይድ።

ረቢ ይባርኽኩም! የቐንየልና!

እንታይ ጌርናልኩም? ክተመስግኑና ድኣ ደሊኹም።

ንኺድ ኣቲ ሰበይቲ። ኣብ’ዚ ክንሓድር ኣይኮንናን።

እንዳ ኣዳል ጉዳይ ኣለና፣ ጽንሑ።

ዶ?

እወ።

ጽቡቕ!

ቻው!

ቻው!

መርሓባ ሳልም!

Scene 354

ማሚ!

ኣሃ?

ጀማል ወድኺ መርዓዊ ኣይመስልዘሎ። ስቕ ኢሉ ኮለል ይብል ኣሎ።


ሓውኺ ንመርዓ ኣይተቐበሎን። ይስተረና በሊ። ንጓል ኣዳላ ኣይደለያን። ኣቡኡ ኢዩ ዘገድዶ
ዘሎ።

ነዛ መጣቘሲት ኣሞይ ራየት ጸላእኩ! ኩሉ ስርሓ ዘበለ ምጥቛስ’ዩ። ምስኦም ምዝማድ


ምኣኸለና። ባባ ግን ኣይሰምዕን’ዩ።

ሕጂ ሃለውለው ኣይትበሊ። ርሑስ ጋማ ኢልኪ ተቐበልዮ።

ባባ ሎም-ቅነ ኣበልዕ ኣይሰቲ። ብጀማል ክሓስብ ነብሱ ረሲዑ።

ናይ ቀረባ ቤተሰብ መውስቦ ኮይኑና። ኣቦኺ ከኣ ከም ባህሊ ወሲዱዎ። ባእሱን ሕሜትኡን


ይበዝሕ።

ስቕ ኢልኩም ኢኹም ወዲ ሓወ’ቦይ፡ ጓል ሓትኖይ ትብሉ! ኖሪት ዘመድና ስለዝኾነት’ያ


ደፊራትና። ጓና ግን የኽብረካ ኢዩ።

ንኖሪትሲ ንስኺ ኢኺ ምጽዋር ስኢንክያ። ንሳስ ድሓን ኢያ።

ንምንታይከ እጻወራ? ቦርኮ እንተኾይና እንታይ ክገብራ?! እንቋዕ ከደትልና።

ስራሕና ኣረሲዕክና። ንዕናይ ንእቶ።

ማሚ፡ ማሚ፡ ባባ መጺኡ። ንእቶ።

Scene 296

ሰላማት!

መርሓባ!

ከመይ ኣለኹም?

መርሓባ! እተዉ።

ከመይ ኣለኹም?

ኣልሓምዱሊላህ

ኣቦኺ ሕሹዎዶ?

ኣልሓምዱሊላህ፡ ደቂሱ ኣሎ። ኣደይ ድማ ወጺኣ ኣላ።

ዶ? ገመድ ኣምጽእለይ ነዚ ወጠጦ ክንኣስሮ።


ክሸነልና ኢዩ። ኣብ ደገ ዘይትኣስሮ?

ሕጂ’ዩ ሸይኑ መጺኡ። እንተሸይኑ ድማ ካንቸሎኹም ባዕለይ ክሓጽቦ’የ።

ሰላም ሓወ’ቦይ ጃብር!

መርሓባ ኖሪት ጓለይ! ከመይ ኣለኹም?

ኣልሓምዱሊላህ! እተዉ።

ጽንሕኒ ነዚ ወጠጦ ክኣስሮ።

እተዉ ባዕለይ ክኣስሮ’የ።

ባዕለይ ክኣስሮ’የ።

ኣይፋልኩምን፣ እተዉ።

ሕራይ በሊ።

Scene 298

ሓሚመ ከለኹ ዘይበጻሕካኒ እንታይ ክትገብር መጺእካ?

ገይሸ ነይረ። ምስ ሰማዕኩ ከኣ መጺኤ ኣለኹ።

ኣብ ዓድን ደገን ዘሎ ኩሉ ሰሚዑ። ንስኻ ከመይ ጌርካ ዘይሰማዕካ?

ሽዑ ኣይሰማዕኩን። ሕጂ ከመይ ኣሎኻ?

እንድዒ! እዚ ድቃስ ዝኸልኣኒ ዘሎ ጤልካ ውሰዶ። ኣየድልየኒን’ዩ።

ዘገርም’ዩ’ዚ! ናብ’ዚ ኩሉ ዘብጽሕ እንታይ ገይረ?

ጓል ኣዳላ ሰይቲ ወደይ ከላ መንጢሉኒ ኢልካ። ኩሉ በጺሑኒ ኢዩ።

እወ፣ ንስኻን ሓውኻን ዓይ ኣጓኒኹም ወሲድኩማ። እወ፣ ሰይቲ ወደይ ኢያ።

ፈቲኻ ጸሊእካ ሰይቲ ወደይ’ያ። ኣብ’ዚ ገዛይ ክትኣቱ’ያ።

ድሓን’ምበኣር! ኣነ መሲሉኒ እየ መጺኤ። ካብ ሰጐጒካኒ ግን እኸደልካ።

ብቐደሙኸ መን ጸዊዑካ? እቲ ወጠጦ ከኣ ውሰዶ። ኣየድልየኒን’ዩ።

እንተደሊኹም ፈቲሕኩም ፈንውዎ። ኣነ ወጠጦ ሒዘ ንምራራ ኣይምለስን’የ።


Scene 275

መግቢ ብልዒ። ትምገቢ የለኺን። ነብስኺ እንታይ መሲሉ ኣሎ ትርእይዮ ኣለኺ?

እበልዕ ኣለኹ ኣደ። ሳብሪን ሓፍተይ ከመይ ኣላ? በቃ መርዓ ኢልኩም?

ኣቦኺ ኢዩ። ደድሕሪ ኖራይ ይጕተት ኣሎ። ኣነ ኣይተሰማማዕኩሉን።

ንስኺ ዘይተሰማማዕክሉ መርዓ ድዩ ክግበር? ምናልባት ምስ’ቲ ሕማሙ ርእይትኡ ይቕይር


ይኸውን።

ርእይትኡ ዝቕይር ሰብ ኣይኮነን። ድርቅና ኣለዎ። ኣነ ዝበልኩዋ ትኹን ኢዩ ዝብል።

ጀማል ንናድያ ጓል ሳልም ኣፍቂሩ ኣሎ።

እዚ ወረ መን የምጽኣልኪ?

መንሱር ሓወይ ከሎ እንታይ ተሳኢኑ? እርይ ቊጽር ኣቢሉ የምጽኣለይ።

ዓርኪ ጀማል’ዩ። ጀማል ይፈትዎ’ዩ።

ኣብ ድኳን እውን የስርሖ’ዩ። ሓንቲ መዓልቲ እታ ከልቢ ሓፍቱ ርእያቶ። ሓስያትሉ ከኣ።

እዚስ ነጊሩኒ ነይሩ። ብዛዕባ ፍቕሪ ጀማልን ናድያን’ውን ነጊሩኒ ነይሩ። መንሱር
ኣይሓብእን’ዩ። ሎም-ቅነኸ ይመጽኣኪዶ ኣሎ? ሓሳዊት ግን ኣይትበልያ። ሓፍትኺ ኢያ።

እዚኣ ነግራም’ያ። ንሳ እንተ’ልያ ኣይመጽኣኒን’ዩ። ንሳ ትንዕቆ’ያ፣ ንሱ ከኣ ኣይጻወራን’ዩ።

ንስጋኻ ናበይ ትድርብያ? ክኣሉዋ! ከም ጠባያ ኪዱዋ። ናብ ሓወ’ቦኺ ኖራይ ክበጽሕ’የ።


ክምለስ ከለኹ ክመጽኣኪ’የ። ድሃይ በዓል-ቤትኪኸ እንታይ ኣሎ?

ኣበይ ዘሎ በዓል-ቤት?! ኣብ ዓሰብ ሰበይቲ ኣላቶ።

እንታይ ሰበይቱ?

ንዓይ መዓስ ኣፍቂሩ ተመርዕዩኒ? ኩሉ ብሰንኪ ሓወ’ቦይ ኖራይ’ዩ።

ጸላኢኺ ይብከ! ሕጂ ዝኾነ ኮይኑ’ዩ። ሓወ’ቦኺ ኖራይ ንውላዱ’ዩ መሪጹኪ።

መርዓ ብግዲ መወዳእትኡ እዚ’ዩ። ሙኒር ብዘይ ድልየቱ ስለዝተመርዓወኒ ደርብዩኒ።

ከምኡ ኣይትበሊ፣ ኣጆኺ!


Scene 343

እንታይ ትገብሪ ኣለኺ? ስራሕ የብልክን? ስራሕኪ ዘይትሰርሒ።

ኣዳላ እንታይ ደልዩ መጺኡ?

እንታይ ሕቶኡ’ዩ እዚ? ኣዳላ ሓድሽ መጻኣይ ድዩ? ዝደለየ እንተደለየኸ እንታይ ኣእተወኪ?

ዘረባ ኣይተጠፋፍኡ። ኩሉ ዘሚዔዮ እየ። እዚ ድርባይ ወዱ ንጓለይ ክምርዖ ደልዩ? ሎሚ


ኣይምርዓዋ ጽባሕ!

ኣብ ዘይጉዳይኪ ኣይትእተዊ። መን ወሃቢትን ከላኢትን ገይሩኪ? ተኣለዪ ካብ’ዚ ቅድመይ!

ድሓን! ጓለይ እንተወሲዱ ክርእየኒ’ዩ።

ተኣለዪ ካብ’ዚ ቅድመይ!

እሂ?

Scene 288

ኣነ ሓደ ጠለብ ነይሩኒ። ንስኻ ከኣ ክትትግብሮ ቃል ኣቲኻለይ ኔርካ። ዘኪርካዮዶ?

ከመርዕወካ ኢልካኒ ኔርካ።

እወ። ንስኻኸ እንታይ ኢልካኒ ኔርካ?

ክሓስበሉ ዕድል ሃቡኒ ኢለኩም።

ንሱ’ዩ እቲ ሓቂ። ትምኒተይ ስምዓኒዶ ኢለካ ነይረ?

እወ፡ ሕጂ ዘኪረዮ።

እሞ ክምርቐካ ትምኒተይ ተማልእዶ?

ፍቓድ ረቢ ካብ ኮነ ተመነ።

ሕጸኻን መርዓኻን ኣብ’ዚ ሰሙን’ዚ ክንገብሮ ኢና። ድልየተይ ንሱ’ዩ።

ኣነ ከም ትምኒትኩም ክምርዖ’የ። ንስኹም ከኣ ንዝምርዓዋ ጓል ክመርጽ ድልየተይ ስምዑ?


(? ? ?) ኣቱም

ትምኒት ኣይትመቓቐልን’ያ። ትምኒትካ ርኸብ ኢልካኒ ኢኻ።


ከይፈለጥኩዋ ድየ ክምርዓዋ?

ትፈልጣ ኢኻ። እናፈለጥካ ኣይተጠፋፍእ።

ሳብሪን ንእሽቶይ ተማሃሪት’ያ። ምህርትን መሰታይን ክምርዖ ይሓይሽ።

ኣብ’ዞም ኣዝማድና ምህርትን መሰታኻን የብልናን።

ካብ ኣዝማድና ወጻኢኸ?

ካብ ኣዝማድና ወጻኢ ኣይነእቱን ኢና። ሰበይትኻ ጓል ሓወ’ቦኻ ኣዳላ’ያ። ኣታ ወዲ ጀማል


(? ? ?)

Scene 119

ነዘን ቅርንፍል ዝመስላ ጸጕሪ እንታይ ክትቍነንለን ኢኺ!? (? ? ?)

ስነ-ስርዓት ግበሪ ኣቲ ቈልዓ!

ንዓይ ጸጕሪ ቅንርንፍል! ጸጕርኺ ንፈልጦ እኮ ኢና። ክንዲ ቅርንፍል እውን የብልክን።
(? ? ?)

ትዋዘየኪ’ያ ዘላ። ስለትፈትወኪ ኢያ።

ንምንታይ ተቀባጥርላ? ኣብ ርእስና ክትድይብ ደልያ።

ኣነ ኣብ ርእስኹም ደይበ?

ትዋዘይኪ’ያ ዘላ። ዋዛ ዘይትፈልጢ እንተዀንኪ ከኣ መንሱራ ጓለይ ገዛኺ እተዊ።

ፈሊጠያ ኣለኹ። እቲ ሃላይ ሓዋ ኢዩ ከምኡ ዝገብር ዘሎ።

እሂ?

ኣብ’ዚ ገዛ ክርእዮ ኣይደልን’የ።

ሕጂ ከኣ ናብ ሓወይ ሰጊርኪ? ሓወይ ካባኺ ዝደልዮ የብሉን። መጣቘሲት!

ንዓይ መጣቘሲት!

እወ መጣቘሲት!

ጠባይ ግበሪ!
መንሱራ!

ከርእየኪ’የ!

ቁልዓ’ምበር ጸጊባ! ኪዲ፣ ከርእየኪ’የ። ድሓን መንሱራ!

Scene 335

ውራይ ኣትዩና`ዩ ዓብደልዓዚዝ ወደይ። ዝዓበየ ጾር ናባኻ ደርብናዮ ኣለና።

ቅሰኑ ኣቦይ ኖራይ። ኣብ መርዓ ጀማል ዘይሰራሕኩ ድኣ ኣብ ምንታይ ክሰርሕ?

ጀማል ገጽካ ኣይትእሰር። መርዓ ሕማቕ ብስራት ኣይኮነን።

እቲ ብስራት እዚ መርዓ ብግዲ ድዩ? (? ? ?)

ድሓን፡ ገጽካ ኣይትእሰር።

ተጸሊኡኒ ስለዘሎ’ዩ ባባ።

ደጊም ውራይ ኣቲናዮ ኣለና። ንስኻን ኣዴኻን ሓግዙና።

መኪናይ’ውን ኣጋጣሚ ተዓርያ ኣላ።

ኣብ ካሕሳኹም የውዕለና ዓብደልዓዚዝ ወደይ!

እንታይ ስለዝገበርናልኩም?

Scene (ዕልብ Scene ኣለባ)

ኣንቲ ሓሳዊት! ሕጂ ከኣ ንሙኒርን ኣሞኡን ኣባኢስኪዮም!? ካብ ሕጂ ንድሓር ኣፍኪ


ከትሕዘኪ’የ።

ኣፍኪ ሓዚ! መን ኰንኪ ኢኺ ኣፈይ ተትሕዝኒ?

ሰብ ኣባኢስኪ እንታይ ትረኽቢ?

ብቐዳማይ ንሙኒርን መንሱርን ኣባእስኪዮም። ሕጂ ከኣ ንሙኒርን ኣሞኡን ኣባእስኪዮም።


ብሰንክኺ ክብሪ ኣሞ ከሊኡዋ።

ኣነ ዝገበርኩዎ የብለይን። ሰብ ብሰንክኺ’ዩ ዝብኣስ ዘሎ።


ኣነ ድኣ እንታይ ገይረ? ብሰንኪ ሓሶትኪ’ዩ ሰብ ዝብኣስ ዘሎ።

ክርድኣኪ’ምበኣር ሙኒር ንዓኺ’ዩ ጸሊኡ። ስድራ ከኣ ንምንታይ ትጸልኣ ኢሎሞ። በዚ ከኣ


ተባኢሶም። ተረዲኡኪዶ ኣንቲ ጉማማ?

ንመን ጉማማ?

ንዓኺ!

ንዓይ ጉማማ?

እወ ጉማማ!

ኣነ ጓሉ! ንዒ!

ከልቢ! ክትመጽኢ ኢኺ።

Scene 184

እንታይ’ዩ ረኺቡክን?

ማሚ፡ እዛ ሓሳዊት ስድራ ተባእስ ኣላ። ወርቂ ኣፍንጫይ ከኣ ኣጥፊኣትለይ።

ንሳ’ያ ሓሳዊትን መባኣሲትን። መጀምርታ ትጸርፈንን ንሓወይ ትንዕቕን ነይራ። ሕጂ ከኣ


ምስ ሰብኣየይ ክትፈላልየና ትጽዕር ኣላ።

ሰሚዐክን ኣለኹ ኣትን ነግራማት! እዚ ንዓኽን ዝምልከት ኣይኮነን። ኣፍክንን ኢድክንን


ሒዝክን ነናብ ክፍልኽን ኪዳ። እዚ ዘረባታት እዚ ኣቦኽን እንተሰሚዑዎ ንክልቴኽን ጽቡቕ
ኣይኮነን።

ኣነ ዝገበርኩዎ የብለይን። እዛ ጓልኪ ገዛ ኣምሪራትለይ። (? ? ?)

ሓቅኺ! እቲ ሃላይ ሓውኺ’ዩ ሓፍ-ሓፍ ዘብለኪ ዘሎ። ይምጻእ’ሞ ከርእዮ እየ።


ኣጽጊብናዮ። ዓሻ እንተ ጸጊቡ ከምኡ’ዩ! (? ? ?) ኣሻዲንናዮ

ሓወይ ካባኺ ዝደልዮ የብሉን። ይትረፍ ገዛኺ ገጽኪ ክርኢ ኣይደልን።

ብሰንኪ ባባ ኢዩ። ሓንቲ በጊዕ ኣምጺኡልና። (? ? ?)

ኣሞ ትሰምዕያዶ ኣለኺ? ክብረይ ትትንክፈኒ ኣላ።

ኣቲ ጓል፡ ኣፍኪ ሒዝኪ ናብ ክፍልኺ ኪዲ።


ድሓን፡ ኣብ’ዚ ገዛ መን ከምዝነብር ክትርእዪ ኢኺ።

እዚ’ዩ እቲ ዕሽነትኪ። ዘልዕለኪ ስኢንኪ። ክንዳኺ ትኸውን ሰበይቲ ኣብ እንዳ’ቦኣ


ኣይትነብርን’ያ።

ኪዲ!

ንስኺ’ባ ኪዲ!

Scene 382

ስማዕ ጀማል!

እሂ ኣቦ?

ንሰይቲ ሓውኻ ሰብ ልኢኽካ ኣምጽኣያ።

እንታይ ዘሻቕል ኣለኩም? ግደፉዋ ባዕላ ትምጻእ።

ከይነገርክናኒ ሰዲድክንኣ። ሕጂ ቀልጢፍኩም ኣምጽኡዋ።

ሕራይ ከነምጽኣ ኢና። ንመንሱር ሒዝካያ ምጻእ ንብሎ።

መንሱር ዲኻ ዝበልካ? ንመንሱር ክርእዮ ኣይደልን’የ። ድርባይ! ዓሻ!

ድሓን ብታክሲ ስደዱዋ ክብሎም’የ። ባዕለይ ከኣ እቕበላ።

ከምኡ ግበር ጀማል ወደይ። ድኳን ከመይ ይሰርሕ ኣሎ? ገለዶ ኣብ ባንክ ኣእቲኻ?

እወ፡ ጽቡቕ ይሰርሕ ኣሎ። ሕጂ ካብ ባንክ እመጽእ ኣለኹ።

ብራቮ ጀማል ወደይ! ጽቡቕ ጌርካ ሓዞ።

ድኳን ጀማል ምስ ሓዞ እንድዩ ሓፍ ኢሉ።

ቀልጢፍኩም ገዛ ኣጸራርዩ። ኣጋይሽ ክመጽኡና ኢዮም።

ሕራይ።

Scene 394

እሂ’ቲ? እንቋዕ ናብ ፍሹል መርዓ ወፈርኪ? ሕጂ እንታይ ረኺብኪ?


እንቋዕ ብሰላም ኣውጽኣኪ! መርዓ ብሰንክኺዶ’ይኮነን ፈሺሉ?

እቲ ሃላይ መንሱር ከም ሰብኣይ ኣፋንዩኪ። ሰብኣይ እንተኾይኑ ዘይመጽእ ነበረ።


ርኢናዮ’ኮ!

መንሱር ካባይ ንዓኺ ከምዝቐርብ ኣይሰማዕክን? ኣይትንዓቕዮ። ሓፊሩኪ’ዩ ዝኸውን።


ሕጽይቱ እንዲኺ።

እዚ ሃላይ ከመይ ገይሩ ንዓይ ይቐርብ?

ኣቦኺ ቃሉ ኣይቅይርን ኢዩ። ክሳብ ዝንገረኪ ኣብ ልብኺ ክትገብርዮ ንሳብሪን ጀማል


ክምርዓዋ’ዩ። መባድልታ ከኣ መንሱር ንዓኺ ክምርዖ’ዩ።

እንታይ? ኣይተረደኣንን። እስከ ድገምለይ?

መንሱር እናነዓቕክዮ ኣብ ትሕትኡ ከእትወኪ’ዩ።

ነዚ ፕሮጀክት’ዚ ከይተበገሰ’የ ኣፍሺለዮ። ሃላይ ሓውኺ መን ኰይኑ ክምርዓወኒ! (? ? ?)


ሓሳብ

እዚ ንኣቦኺ በልዮ። ኣቦኺ ትፈልጥዮ ኢኺ። በዚ ናትኪ ተዋስኦ ካብ ዝሓሰቦ


ኣይተርፍን’ዩ።

ኣነ ሓንቲ በጊዕ ከማኺ መሲሉኪ? ብዘይድልየተይ ኣይምርዖን’የ።

ሰብኣይኪ ከይትንዕቂ ክነግረኪ ደልየ እየ። ምምርዓውኪ ኣይተርፈክን’ዩ። ሽዑ ትርእይዮ።


ሽዑ ክርቢት ኣብ ነብስኺ ወልዒ። በረኪና ኣየድሕነክን ኢዩ።

ክርቢት ኣባኺ ክውልዖ’የ።

ኪዲ!

ንስኺ’ባ ኪዲ!

Scene 369

ባቢ፡ እዞም እንዳ ሓወ’ቦይ ኣዳላ ዘይትርሕቁዎም? ብዘይክኦም ጓል ስኢንኩም?

ኣይንገድፎምን ኢና! ነታ ቈልዓ ኮነ ኢሎም ሓቢኦማ ከምዝነበሩ ፈሊጠ እየ።

እወ፡ ኮነ ኢሎም ሓቢኦማ ነይሮም። ራየት ጓላ ብሓቂ ጠፊኣ እንተትነብር ምተጸለለት


ነይራ።
ካብ’ቲ ዘላቶ ኣውጺኤ ሰይቲ ወደይ ክገብራ’የ። ከምኡ እንተዘይገይረ ጭሕመይ ኣብ
ሰበይቲ በቚሉ። (? ? ?)

ኖ ባቢ! ጽልኣዮም። ብፍላይ ንኣሞይ ራየት።

ንስኺ ምስ መንከ ትሰማምዒ? ምስ ኖሪት ትገብርዮ ዘለኺ’ውን ንርእዮ ኣለና። ንመንሱር


እናንዓቕክዮ መባድልቲ ሳብሪን ኰንኪ ክትምርዓውዮ ኢኺ።

ማሚ፡ ትደግምለይ ከኣ ኣለኺ!?

ሕጂ ግዜኡ ኣይኮነን። መባድልቲ እንተተመርዓወት ብኣኣ ኣይተጀመረን።

ረቢ ባዕሉ ኣለዎ። ድሓን!

Scene 379

ኖሪት ክሳብ ሕጂ ኣይተመልሰትን? ፋሉል ሰዲድክንኣ።

ንሕና እንታይ ዘይገበርና? ከይትኸዲ እንተበልናያ በኽያ። ከይዳ ከኣ።

እንተኸደት ይሓይሽ። ሕንቃቐኣ ከፊኡና። ሰላም ረኺብና ኣለና። ካብ ሆስፒታል ክም


ፈገርኮ ገጻ ኣሲራትለይ። (? ? ?)

ስነ-ርዓት ግበሪ ኣቲ ቈልዓ! ሕጂ ኬድኪ ኣምጽእያ።

ኣነ? እንዳ ሓወ’ቦይ ኣዳላ ኣይከይድን’የ። ገጾም ክርኢ ኣይደልን’የ።

መንከ ገጾም ክርኢ ደልዩ? ሰበይትና እንተኾይና ትምጻእ። እንተዘየለ ኣብ ዘላቶ ትትረፍ።

ሰበይትና ምዃና ድኣ እንታይ ሕቶ ኣድልዩዎ? ድሓር ከኣ ነብሰ-ጾር ኢያ። ሓትኖኣ ምሳይ


ኮይና ክትሓርስ ትብል ነይራ።

ዘረባ ሓትኖኣ ግደፍዮ። እዛ ነግራም መባኣሲት! ራህዋ ኣይሃባ!

ቱፍ በልዎ! ንዒ መንሱራ፡ ደዊልኪ ምጽኢ በልያ።

እወ፡ ክጸንሕ’የ እንተኢላ ቃልኪዳን ነውርደላ። ኣነ ኖራይ መጻወቲ ኣንስቲ ኣይኮንኩን።

እቲ ቃልኪዳን ዝኣስርን ዘውርድን ድኣ ኣበይ ኣሎ።

ቃልኪዳን ብኸመይ ነውርዶ ንዓይ ይምልከት። ሎሚ እንተዘይመጺኣ ክትርእያኒ ኢኽን።

ረቢ ኩሉ ዝከኣሎ!
Scene 411

ሰላማት!

መርሓባ መንሱራ! ከመይ ውዒልኪ?

ኣልሓምዱሊላህ!

ጀማል ሎም-ቅነ ደስ ኣይበለኒን። ንስኺ ትጣበቕሉ ኰንኪ’ምበር …

እንታይ ኰይኑ? ከም ቀደሙ እንድዩ ዘሎ። ከም ጀማል እዱብን ወለዱ ዘኸብርንከ መን


ኣሎ?

ይዳፈረንን ካብ ምልከይ ይወጽእን ኣሎ። ጠንቁ እቲ ምስ ጓል ሳልም ዘለዎ ፍቕሪ’ዩ። ፋሕ


እንተዘየቢለዮም ጭሕመይ ኣብ ሰበይቲ በቚሉ። (? ? ?)

እንተተዛሪብናዮ ከይጠፍኣና ፈሪሕና። ስቕ ይብልን ብቐሊሉ ይሓርቕን ኣሎ።

ምሕራቕ ገዲፉ ይቃጸል ግደፍዮ። ካብ ጓል ሳልም እንተዘይፈልየዮ ፍታሕ የለን። ሳልም


መዋስብትናን ደላይ ጽቡቕናን ኣይኮነን። ኩርኩር በዓል ጃብርን ሮመዳንን ኮይኑ ኣሎ።

ኣይትተሃወኹ። እዚ ቈልዓ ኣንጸርጺሩ ኣብ ሓደጋ ከይኣቱ።

ናድያ ሕጂ ናብ ጀማል እናኸደት ርእየያ። መንሱር ናብ ድኳን ይመጽእ፡ ጀማል ከኣ ስፐዛ


ይህቦ። ሓደ-ሓደ ግዜ ድማ ኣብ ድኳን የስርሖ።

ኣሃ! እሞ እቶት ድኳን መንሱርን ናድያን ይግሕጡዎ ኣለዉ። ብሂወተይ ከለኹ ወሪሶምኒ።

ሓንቲ መዓልቲ መንሱር ኣብ ድኳንና ይሸይጥ ነይሩ።

ኣነ ኖራይ ኣነ! እዚ ድርባይ መንሱርን እዛ ዘዋሪት ናድያን ወሪሶምኒ። (? ? ?) ኮብላሊት

ንመንሱር ዘንቢል ስፐዛ ሂቡ ከፋንዎ ርእየዮ።

ከላስ! ድካን መንሱርን ናድያን ወሪሶሞ። እንዳ ኣዳላ ባዕልና ዝሓገዝናዮም ከይኣክል ብጓል
መገዲ ዘሚቶምና።

እወ ዘሚቶሞ። (? ? ?) ዘሚቶምና

በቃ!
Scene 406

ኖሪት ድሕሪ ሕጂ ካብ ገዛ ከይትወጽእ!

ቅድም’ውን ንመርዓ ኢላ’ያ ወጺኣ። ብነብሳ’ውን ክትወጽእ ኣይትኽእልን’ያ።

እንታይ ኮይና? ሓሚማ ድያ?

ብጽሕቲ ወርሒ ኢያ። ብሰላም የገላግላ በሉ።

ኮለል ክትብል ጥንሲ ከይከዳ። ንመንሱር ኣብ’ዚ ገዛ ክርእዮ ኣይደልን’የ።

ንሱ’ውን ብዙሕ ኣይመጽእን’ዩ። እንተመጺኡ ግን ከመይ ጌርና ክንስጒጎ?

ንዓይ ትነግርኒ። ባዕልኺ ስጐጒዮ ዝበለኪ የለን። ንጀማል ወድኺ ከኣ ኣደብ ግበር በልዮ።
ምጥቛሱ ይኣኽለኒ።

ጀማልከ እንታይ ገይሩ? ምስ ኩሉ ሰብ ትብኣሱ ኰንኩም።

እንታይ ገይሩ ኢለኪ? ምስ ጃብርን ሮመዳንን ላዕልን ታሕትን ይብል ኣሎ። እዚኣቶም
ደለይቲ ጽቡቕና ኣይኮኑን። ቀዳማይ መርዓ ዘፍሸሉ ንሳቶም ኢዮም።

ጃብር ቅድም ኣብ ገዛና ይሓድር ነይሩ። ትማሊ ኣበይ ሓዲሩ?

ገዛና ገዲፉ ናብ ኣዳላ ከይዱ። ኣዳላ ግን ሰጒጉዎ።

ኣብ ዘይወጽእ ጽልኢ ኣቲኹም። ረቢ ባዕሉ ዕርቂ የውርደልኩም! ንጀማል ነታ ዝፈትዋ ጓል


ሳልም ዘይንሓትተሉ? ንምንታይ ንሳብሪን ትጽበዩ ኣለኹም?

ጀማልን ራየትን ዝበሉ እንተበሉ ሳብሪን ሰበይትና’ያ። ኣሕጽር ኣቢልና መርዓና ክንገብር
ኢና።

እንታይ ትብሉ ኣለኹም? መርዓ ጸሊኣ እንድያ ሃዲማ ነይራ።

ድሓን፣ ንሱ ውዲት ጃብር ኢዩ ነይሩ። ደድሕሪ ጓል ሳልም ክኸይድ ኣይደልዮን’የ።

እሞ እዛ ጓል ሳልም ንግደፋ ኢልኩም?

Scene 406 (ዕልብ Scene ድጉም ሀለ)

ንግደፋ ኢልኪ ከኣ ትሓትቲ!? ደድሕርኣ ኮለል ክብል የብሉን። እንዳ ሳልም ኣዝማድናን
መዋስብትናን ኣይኮኑን።
ተፋቒሮም ኣለዉ ኢለ እንድኣለይ። ገዲፍናዮ ሕራይ።

ሕጂ’ውን ሰበይቱ ጓል ኣዳላ’ያ። ገንዘበይ ኣጥፊኤ ስቕ ኣይብልን’የ። ነዚ ደድሕሪ ደቂ


ጽርግያ ኮለል ዝብል ዘሎ ወድኺ ብግዲ ንሳብሪን ከመርዕዎ’የ። ክትርእዪ ኢኺ።

መባድልቲ ሳብሪን መንሱራ እንተልዮም ኣይተድልየናን’ያ።

መን ወሳኒት ገይሩኪ? ዝበልኩኺ ትገብሪ!

ኣብ መጻኢ ውላደይ ሓሳበይ ክህብ ኣይክእልን?

መን ወሳኒት ገይሩኪ? ዝበልናኪ ግበሪ። ምኽርኺ ፋሕ መበሊ እንድኣሉ።

ኣነ እንታይ ገይረ?

እዛ ቈልዓኸ እንታይ ኰይና ደንጕያ?

ሹቕ ርሑቕ እንድዩ። ክትመጽእ ኢያ።

Scene 7

ከም’ቲ ዝበልኩኺ ግበሪ መንሱራ ጓለይ።

ሕራይ ባባ።

ኣይትሕመቒ፣ ንፍዒ እዛ ጓለይ።

ማዕጾ ይኹሕኳሕ ኣሎ። ኪዲ ክፈትዮ።

ሕራይ።

ሰላማት!

መርሓባ!

ከመይ ኣለኹም እዛ ጓለይ?

ማኬ! (? ? ?)

መርኬ ኢልኪ ትዝንጥልኒ። እቲ ኣቦን ኣቦሓጎን ኣበይ ከይዱኪ?

ኦፋ!

ወይ ጉድ ደቂ ሎሚ!
ሰላማት ኖራይ!

መርሓባ ኣቦይ መርኬ!

ከመይ ኣለኹም?

ኮፍ በል ኣቦይ መርኬ። እንቋዕ ድሓን መጽኡ!

እንቋዕ ድሓን ጸንሑ! ከመይ ኣለኹም? ሰብኩምን ጥሪትኩምን ከመይ ኣለኹም?

ሰብና ጽቡቕ ኣሎ። ጥሪት ግን ኣብ ኣስመራ መን ይሓትተለን ኮይኑ! ጥሪት ዘጥሪ የለን።

ልምዲ ኢዩ። ኣብ ዓዲ ዘለኹ መሲሉኒ። ጃብር ሓውኻ እውን ምሳይ መጺኡ ኣሎ። ክልተ
ድልዱላት ወጣጡ የምጽኣልኩም ኣሎ።

ብኣኹም ወገን ሰብ ከመይ ኣሎ? ኣዕርፉ፣ ጽቡቕ ገይርኩም ኮፍ በሉ።

(እብ ከለጥ እግል ኖራይ ኣዳላ ቤለዩ) ኮፍ ክብል’የ ኖራይ ወደይ። ተቐባላይ ጋሻናን ገባሪ
ሰናይናን እንዲኻ።

ምስጋና ኣይተብዘሓለይ። ልዕሊ ሰበይ እንታይ ገይረልኩም?

ቅድሚ ሕጂ እንተዘይገበርካ ሕጂ ትገብር። ወዲ ወረጃ እንዲኻ። ኣቦኻ ለጋስ ኢዩ ነይሩ።


ዝሃበ ረቢ ይህቦ! ለጋስ ኩን። ጾር ሳልሕ ሓወይ ኣባኻ’ዩ ወዲቑ።

ድሓን ኮፍ በል። ጾርካ ኣራግፍ። ልግስን ህያብን ኣሎ።

ከምትገብሮ ጥርጥር የብለይን። ኣሜን በል’ዚ ወደይ። ምርቓይ ብቐሊሉ ዝርከብ ኣይኮነን።

ኣሜን ኣቦይ መርኬ! ረቢ ይቀበሎ። ገዛ ገዛኻ`ዩ። ዝደለኻዮ ሕተት። ሎሚ ገንዘብ ወድኹም


ክትወስዱ መጺእኩም? (? ? ?) ኣቱም

ኣየናይ ዝጠቅም ገንዘብ ኮይኑ ገንዘብ ስዑድያ። ካብ ናይ ኣውቶቡስ’ኳ ዘይሓልፍ።


ጃብር’ውን ባዕለይ ከምጽኣልካ ኢሉኒ። (? ? ?)

ካብ ናይ ኣውቶቡስ ዘይሓልፍ እንተኾይ ውክልና ግበሩለይ። ኣብ ገዛኹም


ከምጽኣልኩም’የ።

ኣይፋልካን! ንዓኹም ክርኢ ምክንያት ኮይነናኒ ኣለዋ።

ሕራይ’ዚ ወደይ። (? ? ?)

እዛ ቁልዓ ናበይ ከይዳ? ኣቲ ጓል!


Scene 242

ሓወ’ቦኻ ጃብር ረጊጹና ከይዱ። ንሕና ግን ሓሳብና ኣይቀየርናን። ንመርዓ ተዳሎ።

መርዓ ቅድሚ ሕጸ? ሰብ መጀመርታ ይሕጸ፡ ድሓር ይምርዖ። ጓል መን’ያኸ?

እናፈለጥካ ኣይትሕተት። ጓል ሓው’ቦኻ ኣዳላ ኢለካ እንድየ።

ንእሽቶ ኢያ ዘላ። ትምህርታ ኣይወደትን ኢለኩም እንድየ።

ንእሽቶ ኣይኮነትን። እኽልቲ ኢያ። እንተነኣሰት’ውን ኣብ ትሕተኻ ትዓቢ። እዚኣ ንስኻ


ኣይኮነን ንሕና’ውን ምተመርዓናያ።

እወ ንእሽቶ ኣይኮነትን። ኣይተመኻኒ። ትምህርቲ ከኣ ኩለን ኣቋሪጸን ኢየን ዝምርዓዋ።


ክተምህራ እንተደሊኻ ምስ ተመርዓወት ተምህራ።

እወ፣ ንኣቦኻ ስምዓዮ። እዚኣ ትመስል ቈልዓ ካልእ ክወስዳ የብሉን። እቲ ልምድና ከኣ
ፍለጦ። ንሕና ዘይቤተሰብና ኣይነእቱን ኢና። ኣብ ሓድሕድና ንወሃሃብ፡ ካብ ሓድሕድና ከኣ
ንወስድ።

ኣቦሓጎይ መርኬ ኣነ የኽብረክም’የ። እዚ ግን ንዓይ ጥራይ ዝምልከት ጉዳይ’ዩ። ሰብ


ይፋቐር፡ ይሕጸ፣ ድሓር ከኣ ይምርዖ። እዚ’ዩ እቲ ኣነ ዝፈልጦ ኣገባብ።

ኣይትሕረቕ እዚ ወደይ። ሕርቃን ንመን ጠቐመ። ንየው በሎ!

Scene 244

ኣይምርዖን’የ ዲኻ ትብል ዘለኻ ጀማል?

ሕጂ ኣይምርዖን’የ። ቀስ ኢለ ክርእዮ እየ።

ምርቓይ እንተደሊኻ ዝበልኩኻ ግበር። መርገመይ እንተደሊኻ ከኣ ንገረኒ።

ምርቓኻ’ምበር መርገምካ እንታይ ኢለዮ። ግን ክሓስብ ዕድል ሃበኒ።

ዕድል ክሳብ መዓስ? ብዛዕባ’ቲ ኣብ ድኳን ተስርሖ ዝነበርካ ወዲ ከኣ ሰሚዔ ኣለኹ።

ኣየናይ ወዲ? መንሱር ወዲ ሓወ’ቦይ ኣዳላ?

መንሱር ከኣ ትብለኒ! ኣብ ገዛ ይኹን ኣብ ድኳን ከይርእዮ ኢለካ ነይረ። ክብሪ ሂብካ ከኣ


ተስርሖ ኣለኻ?
ረቢ ልዑል’ዩ! ረቢ ልዑል’ዩ! እቲ ወዲ’ቲ ሃካይ’ዩ። ጥቓኹም ኣይተቕርቡዎ። ንየው በልዎ!
(? ? ?)

ዘገርም’ዩ! እሞ እዚ ክንተኣኻኸብ ኢልኩም ትገብርዎ ዘለኹም መርዓ ሓሶት’ዩ?

ሓሶት ኣይኮነን። ሳብሪን ሳብሪን’ያ። መንሱር ግን ሓደ ከንቱ ኢዩ። ክቐርበኒ ኣይደልዮን’የ።

እሞ ትቀራረቡ እንተ’ለኹም ሳብሪን ትቐርበሉ መንሱር ከኣ ዝርሕቀሉ ምኽንያት የለን።


መንሱር ስለዝነጸልኩሞ’ዩ ሓሚቑ። እንተተቕርቡዎ ድሕሪት ኣይምተረፈን።

ኣታ ቈልዓ፡ እዚ ዘረባታት ካበይ ትኣርዮ ኣለኻ? ስምዓኒ እየ ዝብለካ ዘለኹ። ስምዓኒ!

ምቅርራብ ካብ ደለኹም ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ፍልልይ ኣይትግበሩ። ከም’ቲ ሓወ’ቦይ


ጃብር ዝበሎ፡ መንሱራ መባድልቲ ሳብሪን ንመንሱር ሃቡዎ።

እንታይ ዘረብኡ’ዩ እዚ? እዚ ትሩፍ ወዲ ኣዳላ ነዛ ሉል ትመስል መንሱራ ትምነየሉ ኣለኻ?

መንሱር’ውን ብዓይኒ ወለዱ ሉል’ዩ። ኣቦሓጎይ መርኬ ፍርሃት ረቢ ይሓዝኩም። ንመንሱር


ኣይትፈልጡዎን ኢኹም።

እንታይ ኮይነ ዘይፈልጦ? ንዓይ ረሲዕካ ኣብ ትሕቲ ባንኮ ኮካዶ ተስትዮ ኣይነበርካን።

እዚ’የ ዝበልኩ! በቃ መንሱር ብደወይ ገይሩ ወሪሱኒ። ድኳነይ መውዓሊኡ ገይሩዎ። ኣሕ!

ረቢ ይሓግዝክም! ኣነ ኣብ ኣኽርያ ክሓድር’የ። ጀማል ከኣ ምርቓ ወለድኻ ተቐበል።

የቐንየልና ኣቦይ መርኬ። ክትመጽኡ ክትመጽኡ ምጽኡና።

ኣብ’ቲ መርዓ ኣመትና ግበሩ። ከም’ቲ ኣብ መርዓ ሙኒር ዝገበርኩምኒ ኣይትግበሩ።

እንታይ በዲልና ኣቦይ መርኬ? ኣብ እዋን መርዓ በዓል ውራይ ይሻቐል’ዩ።

ምስ ቁልዑ ቀሪብኩምኒ። መግቢ ካብ ኢደይ ምንጥል-ምንጥል ኣቢሎሞ። ከይተደረርኩ


ሓዲረ። ሕጂ ግን ምስቶም ሹማምንትን ዓበይትን ቀርቡኒ።

ድሓን’ዩ ኣቦይ መርኬ። ኣብኡ የብጸሓና ጥራይ። ሽዑ ንርእዮ። ንጀማል ረቢ ናብ ልቡ


ይምለሶ ኢልኩም ጸልዩ።

ረቢ ናብ ጽቡቕ መገዲ ይምርሓዮ!

ንዓ’ታ! ናበይ ትኸይድ ኣለኻ? ኣነን ኣዴኻን ደሊናካ ኣለና። ኮፍ በል!

Scene 455
ኣላህ! ሎሚ ደኺመ ኣለኹ። እስከ ተኣለይለይ ክድቅስ። ምሉእ መዓልቲ ኣብ ጉዕዞ
ውዒልና።

እንታይ ድኣ ቀልጢፍኩም ተመሊስኩም?

እንታይ ፈሊጠ ኢልክኒ። ዓብደልዓዚዝን ኣቡኡን ኮርዮም’ዮም ‘መስለኒ። ክንሓድር ኢልና


ኢና ኬድና። ድሓር ግን ክንምለስ ኢና ኢሎም።

እንታይ ኢልኩሞም ድኣ ዝኹርዩ?

ኣነ እንታይ ፈሊጠ? እቲ ወዶም ሓደ ስዲ’ዩ። ኣብ ዘይምልከቶ ይኣቱ። ኣነ ከኣ እዚታት


ኣይጻወሮን’የ።

ኣቦ፡ ምስ ሓወ’ቦታተይ ተባኢስካ። ምስ ኣቦይ ሳልም ተባኢስካ። ሕጂ ከኣ ምስ ኣቦይ ናፍዕን


ዓብደልዓዚዝን ትብኣስ ኣለኻ። ምስ መን ክንነብር ኢና?

ኣነ ዘረባይ ትኽ ዝበለት’ያ። ዝሕባእን ዝስተርን የብላን። ብዘይካ እታ ብኣፈይ ዝበልኩዋ


ቃል እንታይ ገይረዮም?

ግደፉና እስከ? መልሓስ ዓጽሚ የብላን፣ ዓጽሚ ግን ትሰብር። ጥዑም ዘረባ ዘይትዛረቡ?

ሰሚዔኩም ኣለኹ! ጀማል ወደይ፡ ዕለት መርዓ ቈጺርና ኣለና። ወደይ እንተዀንካ
ክትምርዖ ኢኻ።

ንሳብሪን ጓል ሓወ’ቦይ ኣዳላ?

እወ ንሳብሪን ጓል ሓወ’ቦኻ ኣዳላ። እዚ ኩሉ ሽሻይ ዝህቦም ዝነበርኩ ንመርዓኻ ኢለ’የ።

ዋይ ኣነ እቲ ሓሳረይ! እንታይ መርዕኡ’ዩ ከይተዳለና?

እቲ ዝተዳለናሉ መርዓስ መዓስ ሰሊጡ? ሕጂ ርኣዩለይ ርኣዩለይ ከይበልና ብምስጢር


ክንገብሮ ኢና። ተዳለዉ ጥራይ።

ኣቦ ረቢ ፍርሑ! ኣነ እንታይ ኣቢሰ? እንታይ በዲለ?

ኣታ ቁልዓ፡ ወደይ እንተዀንካ ዘረባይ ስማዕ። ምስ’ዛ ጓል ሳልም ኣይከመርዕወካን’የ። በቃ!

Scene 436

መንሱራ፣ መንሱራ፣ መንሱራ!

ኣሃ?
መንሱራ ንዒ። ናብ ሓውኺ ደውሊ። ቀልጥፊ።

ሃለው! ሃለው ጂሚ! ሰይቲ ሓውኻ ሕማም ሕርሲ ሒዙዋ ኣሎ። እወ፣ ቀልጢፍካ ምጻእ
ናብ ሕክምና ክንወስዳ። ኣይዋ።

ሃቢ፣ ኣይዋ ጀማል ወልየ። እሲት ሑካ ትምሕጽ ህሌት። ንዓ ምጽኣና ሕክምና ክንወስዳ።
ቀልጥፍ፣ ቀልጥፍ! ኣቦኻ? ኣቦኻ ገይሹ ኣሎ። ቀልጥፍ ሕክምና ክንወስዳ። እንኪ!

Scene 422

ሕጅስ ክንዕወት ኢና። ኣዳላ ሓወይ ተስፋ ሂቡኒ ኣሎ።

ናይ ምንታይ ተስፋ?

ንራየት ኩሉ ኣረዲኤያ’የ፣ ትሰማማዕ ትመስል ኣላ ኢሉ።

ኣብ ምንታይ’ያ ትሰማማዕ? ኣሞይ ራየት ትብትን’ምበር ስምምዕ ትፈልጥ?

ድሓን፣ ከሐጉሶም እየ። ጽብቕትን ዓባይን ገዛ ክካረየሎም እየ።

ካብ ክራይ ገዛ ንላዕሊ እንዲኹም ጌርኩሙሎም። ኩሉ ረሲዖም እንድዮም ጓል


ከሊኦምኹም።

እታ ጓል ኣይኮነትን ኣብያ። ሓንቲ መጣቘሲት ጓል’ያ መኺራታ። ሕጂ ግን ትኣቢ


ኣይመስለኒን።

ባቢ፡ ብዘይካ እዛ ጓል ሓወ’ቦይ ኣዳላ ካልእ ጓል ስኢንኩም? ንጀማል ሓወይ ካልእ ጓል


ዘይትደልዩሉ?

ሓቃ’ያ መንሱራ ጓለይ። እዛ ናድያ…

ናድያ ዲኺ ዝበልኪ? እንዳ ሳልም መዋስብትና ኣይኮኑን። ነዛ ቃል’ዚኣ እንተደጊምክያ


ዝገብሮ ክትርእይኒ ኢኺ።

ናድያስ ክንደይ ደኳትርን ሃብታማትን ይሓትቱላ ኣለዉ።

ኣኸለ! ባዕላ ትፈልጥ። ኣነ ድሕሪ ሕጂ ሽም እንዳ ሳልም ክሰምዕ ኣይደልን’የ። ጀማል ከኣ


ይፍቶ ይጽላእ ጓል ኣዳላ’ያ ሰበይቱ።

ወይ ጉድ!
Scene 28

ማሕሙድ! ማሕሙድ!

ኣሃ?

ተጸበየኒ። ምብርባር ከይጀመርካ ክንመያየጥ።

ናበይ ከይዱ’የ ክብል ጸኒሐ።

ኣኺሉ ኣሎ። ክብርብሮ ኢለ።

ናብ ኣስመራ ንሓወቦታትካ መዓር ክማላእ።

ጽቡቕ!

ደጊም ዓዲ ክትኮነልና ደልየ ኣለኹ።

ኣብ ዓዲ እንድየ ዘለኹ። ስርሔይ ንኢሱካ ድዩ?

ወዲ መን ኰንካ ክትሓምቕ! ሰበይቲ ክነምጽኣልካ ንደሊ ኣሎና።

ጓል መን ኢኹም ክተምጽኡለይ?

ሳብሪን ጓል ሓወቦኻ ኣዳላ።

ሳብሪን ኣይፈልጣ ኣይትፈልጠኒ። ኣብ’ዚ ዓድና ኣዋልድ ተሳኢነን ድየን?

ዝተወልደትላ መዓልቲ እየ ፈትሊ ኣሲረላ። ሰበይትኻ ንሳ ኢያ።

ንዓይ እትኸውን ባዕለይ እየ ዝመርጻ። መዓልቱ ምስ ኣኸለ ሕተተለይ ክብለካ እየ።

ንደቅና ባዕልና ኢና ንመርጸሎም። ንዓኻ ኢልና ባህልና ኣይንቕይርን ኢና።

ዘይፈልጣ ጓል ኣይምርዖን’የ። ኣተዓባብያና በበይኑ ኢዩ። ብኸመይ ክንናበር!?

እዚ ምኽሪ ኣዴኻ ኢዩ። ካብ ደቂ ኣኮኻ ክተእትዉ ደሊኹም። ንእንዳ ኣኮኻ ኣይደልዮምን


እየ ኣነ።

Scene 363

በጺሕና ኣለና። እንዳ ጃብር እታ ኣድጊ ተኣሲሩላ ዘሎ ኢያ።

እቲኣ?
እወ።

በየን ክድይብ?

እዚኣ ኢያ መንገዳ።

የቐንየለይ 1

ሰላም ሰብ ገዛ!

መርሓባ፡ ኣሃ! ሳብሪን? እንታይ እየ ዝርኢ ዘለኹ?

ሳብሪን’የ ኣሞ!

እንታይ ድኣ በይንኺ መጺእኪ? ስድራ ድሓን ድዮም?

ሕብእኒ ኣሞ!

እንታይ ኰንኪ?

በጃኺ ሕብእኒ! ገዛ ምስ ኣቶና ክነግረኪ፣የ።

ሕራይ ንእቶ።

Scene 367

ሳብሪን ጓለይ፡ ተሓቢእካ ኣይንበርን’ዩ። ፈቲነ፡ ግን ከም’ዚ ኢልካ ኣይከውንን’ዩ።

በጃኺ ኣሞ! ሕጂ እንተነጊርክዮም ከመርዕዉኒ ኢዮም። ጉዳይ መርዓ ክሳብ ዝርሳዕ


ሕብእኒ።

መርዓ ፋሕ ኢሉ ኢዩ። ማሕሙድ ጠርጢሩ ኣሎ። ሓወ’ቦኺ ጃብር እንተመጺኡ ክቋየቘና


ኢዩ።

ሓወቦይ ጃብር ይፈትወኒ ኢዩ። ባዕለይ ከረድኦ እየ። ጥራይ ንስኺ ኣይትንገርለይ።

ኣይከውንን እዩ። ኣዴኺ ኣብ ዘይሕማማ ክትበጽሕ ኢያ። ኣነ ክነግሮም እየ።

ንኣደይ ሓቢርና ስተሪ ዘይንብላ?

ኣዴኺ ኣይኮነን ፈሊጣ ከይፈለጠት’ውን ብፍትሕ የፈራርሕዋ ኣለዉ።

ሓወ’ቦይ ጃብር ክፈትሓኪ ይኽእል’ዩ ማለት ድዩ? (? ? ?0


መርዓን ፍትሕን ንሓወ’ቦታትኪ ቀሊል ኢዩ።

Scene 77

መዓልኩም እንዳ ጃብር!

መርሓባ ሮመዳን!

ከመይ ኣለኹም?

መርሓባ! ስድራ ከመይ ኣለዉ?

ንቐደም በል!

ደቅና ክንርኢ።

ጽቡቕ ገርካ።

ከመይ ኣለኽን ኣዋልድ? ሓሊማ፡ መንሱራ፡ ምሕረት የውርደልክን!

ቡን ክንገብር።

ኣይፋልክን፣ ሕጂ’የ ካብ ገዛ መጺአ። ጃብር ደልየ ነይረ።

ኣኺሉካ ጉያ በስ! ቡን ክንገብር ኢና። ሓዉኻ ከኣ የርክበና። ስራሕ መንግስቲ ከመይ ኣሎ?

ስራሕ ጽቡቕ ኣሎ። ጃብር ደልየ ነይረ።

ሕጂ ወጺኡ። ቡን ክሳብ ንሰቲ ክመጽእ ኢዩ። በቲ ኣሕዋቱ ዝገበሩዎ ሓሪቑ ኣሎ።

ኣሕዋቱ እንትይ ገይሮሞ? ጃብር የቀራርብ ኣለኹ እናበለ ኣብ ጸገም ኣትዩ።

ኣነ’ውን ሳብሪን ምስ ወድና ኣይትኸይድ’ያ ኢለዮ እየ። ኣይሰምዓኒን ግን። ንሳቶም ከኣ


ከሊኦሞ።

ግዜ ተቐይሩ ኢዩ። ጃብር ጓል ሓወይ ንወደይ ምስበለ ኣይፋልካን ኢለዮ እየ። ኣይሰምዓኒን።

ሓዉኻ ዘረባ ሰብ ኣይሰምዕን’ዩ። ማሕሙድ ወደይ ካብ’ዘን ደቂ ኣሕዋተይ ኢዩ ዝምርዖ።

ሳብሪን ንእሽቶ ኢያ ዘላ። ተመሃሪት ከኣ ኢያ። መርዓ ብግዲ ኣይከውንን’ዩ።

ንሓዉኻ ምኸሮ። ኣዋልድ ኣብ ዓድና ከለዋ ንምንታይ ናብ ኣስመራ ንኸይድ።?

ጃብር ንሕማቕ ኣይሓሰቦን። ንስኺ ከኣ ኣይትተሃውኺ።


ብፍላጥ ዝገበሮ ኢዩ። ደቂ ኣሕዋተይ ከየእቱ’ዩ ገይሩዎ። ንዓናይ ጥራይ ቡን ክንቈሉ።

ሕራይ በሊ።

Scene 79

ሳብሪን ንእሽቶ ኢያ። ጓል ከተማ ብምዃና ከኣ ምስ ወድና ኣይትኸይድን ኢለዮ እየ።

ንሱኸ እንታይ ኢሉኪ?

ንሱ ንኣሕዋቱ ጥራይ ኢዩ ዘቕርብ። ኣዋልድ ኣብ’ዚ ምሳና ኣለዋ።

ደቂ ሓውኽን ወድኽን እንተተፋቒሮም ጽቡቕ። ብግዲ ግን ክኸውን የብሉን።

ንሕናስ መዓስ ብፍቕሪ ተመርዒና? ስድራና ሂቦምና ኢና ተመርዒና። ሓዉኻ ኣሕዋቱ


ጥራይ ኢዩ ክእክብ ዝደሊ። ንስኻ ከኣ ትድግፎ ኣለኻ።

ንክልቴኹም ኣይድግፍን’የ። ማሕሙድ እኹል ሰብኣይ ኢዩ። ጓል እገለ ሕተቱለይ ምስ


በለኩም ትሓትቱሉ። ንዕኡ ዝበላ ኣብ ትኸዶ የብላን።

ድሓን፡ ፈሊጠኩም ኣለኹ። ሳብሪን እንተስኣንኩም ናብ’ታ ሰይጣን ጓል ኖራይ ክትከዱ


ኢኹም።

እንታይ ኢኹም ኣብ ሓደ ስድራ ዕንክሊል ትብሉ? መርዓ ብፍቶት’ምበር ብግዲ


ኣይከውንን’ዩ።

ከምኡ ኣይተጸበኩኻን። ደቂ ኣሕዋተይን ኣሓተይንከ እንታይ ጎዲሉወን?

ጎደሎ የብለንን። ኣይትሕረቒ። ማሕሙድ እኹል ሰብኣይ ኢዩ። ባዕሉ ይምረጽ እብለኪ
ኣለኹ።

ንሳቶም ይተኣኻኸቡ ኣለዉ። ኣነኸ ካብ ሰብ ኣይተወለድኩን ድየ። ወገነይ ክእክብ


ኣይክእልን? ሮመዳን ወገን ሒዝካ። ድሓን፡ በስ ይኣክል።

ኣነ ዝበልኩኺ ማሕሙድ ምስ ዕድሉ ኣሎ። ድሓን፡ ሕጂ ከይደ።

ድሓን ውዓል። ድሓን ኣይትእቶ ሮመዳን! ነዚ ምኽሪ’ዚ ሒዝካ’ዶ መጺእካ? ‘ዕድሉ ምስኡ
ኢዩ ዘሎ!’፡ እንታይዶስ ኣበይዶስ። መን መርዓት ምስ በለክን ትኰሓላ! ባዕልኹም ድኣ
ተመርዓዉወን’ምበር ማሕሙድ ኣብ’ዚታት የለን።
Scene (ዕልብ ወሂጋ አለባ። ሮመዳን እጅትማዕ እት ወዴ)።

Scene 500

ኣዳላ፡ ኖራይ፡ ንዑ! በዚ ኮፍ በሉ። እንኩም እዚ ሓዲሽ ክዳን። ኣጆኹም! ክንዲ ኣቦኹም
ክኾነልኩም እየ።

Scene 123

መዓልኩም!

መርሓባ!

ድሓን’ዶ ውዒልኩም?

መርሓባ! ከመይ ኢልኩም ወዒልኩም?

ድሓንዶ ውዒልክን ኣዋልድ?

ስራሕ ከመይ ነይሩ?

ጽቡቕ!

ስራሕካን ስራሕ ኣቦኻን ናባኻ ኢዩ ሎሚ። ኣቦኻ ገይሹ ኣሎ።

ናበይ ገይሹ?

ኣስመራ ከይዱ። 2-3 መዓልቲ ክጸንሕ’የ፡ ኣይትሕመቑ ኢሉኒ።

ኣስመራ ድኣ እንታይ ነይሩዎ። ካልኣይቲ ሰበይቲ ግዲ ተመርዕዩ ኢዩ!

ኣቦኻ ከኸትመካ ኢዩ ዝጽዕር ዘሎ።

ንሕና እንተደሊና ካብ ደቂ ኣስመራ ንላዕሊ ደቂ ሹቕ ንኸውን። እንተደሊና ከም ደቂ ገጠር


ንሓርስን ንጓስን።

ከምኡ ኣይኮነን። ካብ ኣስመራ ሰበይቲ ከምጽኣልካ ኢዩ።

ዶ?

እወ።
ነዓይ ከይሓተተ ድዩ ከመርዕወኒ? ንጓል ሓወቦይ ኣዳላ ኣይደልያን እየዶ ኣይበልኩዎን!?

ኣነ’ሞ እንታይ ፈሊጠ? ይመናጠሉላ ኣለዉ። ኣዋልድ ድኣ መዓስ ተሳኢነን።

ኣደ፡ እንተሰሚዑኪ ንገርዮ። ብሽም ደቂ ሓወ’ቦ ዘይፈልጠን ኣዋልድ ኣየማጽአለይ።


ኣዋልድ ኣብ’ዚ’ውን ብዙሓት ኣለዋ። ከይደ ናብ’ቶም ኣናህበይ።

ይሓግዝካ’ዚ ወደይ! ኣናህብካ ጽቡቕ ጌርካ ተከናኸኖም።

ሕራይ ኣደ።

Scene 371

መዓልኩም!

መርሓባ ማሕሙድ!

ደሓንዶ ውዒልኩም?

ሳብሪን ጓል ሓወቦኻ ኣዳላ ኢያ። ሰላም በላ።

ሳብሪን? ካበይን ብኸመይን መጺኣ?

ብሓይሊ ከመርዕዉዋ ደልዮም። ሃዲማ መጺኣ።

ኣሃ!

ደዊልና ንስድራ ክንሕብሮም ደሊና።

ቁጽሮም የብለይን። ባዕለይ ኣስመራ ዘየብጽሓ?

ቁጽሪ ቴለፎን ክህበካ።

ሕራይ፡ ገንዘብ ኣለዋ። ደውሉሎም። ንኣሓተይ ክርኢ እየ።

ሕራይ ገበርካ’ዚ ወደይ።

Scene 20

እንዳ ሓወ’ቦታተይ ከመይ ኣለዉ?

ጽቡቕ ኣለዉ።
ኣ (? ? ?)

ገለ ቈጻጺሮምልኩም ኣለዉ። እዚ ክዳን ኖራይ ሰዲዱልኪ።

ረቢ ይሃቦ! ኩሉ ግዜ ምስ ሃቡና። ኣብ ካሕስኦም የውዕለና።

እዚ ከኣ ክዳን ኣዋልድ’ዩ። ደስ ይብለን መሻኪን። (? ? ?)

እወ ደስ ይብለን።

ንዓይከ?

ናትካ ካብ ኩሉ ዝበለጸ’ዩ።

ካብ ክዳን ዝበልጽ?

ህያብካ ናይ ዘመንና ህያብ ኢዩ።

ትዕግስቲ ግበር’ዚ ወደይ።

እዚ ከኣ ኣዳላን ራየትን ሂቦምኺ።

ረቢ ይሃቦም! ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም!

እዚ ጀማል ወዲ ሓወ’ቦኻ ኖራይ ኢዩ ሰዲዱልካ።

ዓሽ! ኣዕሩኽተይ ብሞባይላት ክጻወቱ ከለዉ እቐንእ ነይረ።

በዓል ሞባይል ግራት ኣይሓርስ፡ ጥሪት ኣይጓሲ! ምስኣ ክጻወት ውራዩ ኢዩ ዝርስዕ።

ዓሽ ያኺ!

ሞባይል ገንዘብ ትውድእ’ምበር ገንዘብ ኣይተምጽእን’ያ።

እንታይ ክትህብ!

ቀለባ’ዩ ዝኸፍኣካ!

Scene 22

ስማዕ’ባ ኣቦ ፋጥና!

እንታይ ክትብሊ ደሊኺ? እንታይ ጐዲሉኪ? ቀለብን ክዳንን ኣምጺእናልኪ እንዲና።

በቃ ኣነ ቀለብ ጥራይ ኢዩ ዝምልከተኒ? ብካልእ ጉዳያት ኣይሓትትን ወይ ኣይሕተትን?


መን’ሞ ኣይትሕተቲ ኢሉኪ? ጉዳይ እንተለኪ ሕተቲ።

ሓሳበይ ከይትሰምዑ ትኾላልፉኒ ኣለኹም። ብዛዕባ ቀለብ ኣነ ዘይወሰኽኩዎ ከም ዘየጉድል


ትፈልጡ ኢኹም። (? ? ?)

ኣየናይ ሓሳባት ኢዩ’ዚ? (? ? ?)

ናብ ኣስመራ ንሸመተ ዲኹም ኬድኩም? ዝኸድኩምሉ ጉዳይ ከመይ ኮይኑ?

ኣየናይ ጉዳይ? ንሕና ኣብ ኣስመራ ብዙሕ ጉዳያት ኣለና።

ጓልኩም ሃቡና ክትብሉዶ ኣይከድኩምን?

ኣሃ! ንሱ ድኣ መዘኻኸሪ እንድኣሉ ነይሩ። ክትውለድ ከላ ፈትሊ እንድየ ኣሲረላ።

እሞ ሕጂ እንታይ ተበሃሂልኩም?

ኣዳላ ሕማቕ ኣይተዛረበን። ቅድም ትምህርታ ትወድእ ኢሉኒ።

እዚ ምልክት ምኽላእ ኢዩ። ንኖራይን ሮመዳንንከ ነጊርኩሞምዶ?

ሰይጣን ሰሪሩኪ ኣሎ ኣቲ ሰበይቲ! ጓለይ ንእሽቶ’ያ ዘላ ምባል እንታይ ነውሪ ኣለዎ?


ሮመዳንን ኖራይን ካብ ሓሳበይ ኣይወጽኡን’ዮም። ኣብ ሕጸ ምስ በጻሕና ንሕብሮም።

ትምህርቲ ደቂ ሎሚ መወዳእታ የብሉን። ንምንታይ ካብ’ዘን ደቂ ኣኮታቱን ሓትነታቱን


ዘይነመርዕዎ?

ሕጂ ተረዲኤኪ። ደቂ ሓውኺ ክተመርዕውዮ ደሊኺ። ምልክት ምኽላእ ኣይርኣኽን


ትጽቢት ኣይጸላእክን። (? ? ?)

ደቂ ኣሕዋተይ ከእቱ እንተተመነኹ ኣቕሪበ እንድኣለይ።

ነቶም ኣሕዋተይ ንምንታይ ጓና ትቘጽርዮም? ንዓኺስ ደቂ ሓወ’ቦታትኪ እንድኣሎም።

እቶም ኣሕዋተይከ ኣኮኻን ኣሞኻን እንድዮም ወሊዶሞም። ንምንታይ ተርሕቖም ኣለኻ?


(? ? ?) ኣታ

ኩሎም ደቅና ኣብ እንዳቦኻ ኣእቲኻዮም። ማሕሙድ ካብ ወገነይ ኢዩ ዝምርዖ። (? ? ?)

ዝውለድ ቈልዓ ብእንዳ ኣቦ ኢዩ ዝጽዋዕ። ደቆም ንእንዳና ከብዝሑ ኢልና ኢና ብፍላጥ


ጌርናዮ። ደኺመ ኣለኹ፣ ሰላም ሃብኒ።

ካብ ሓቂ ትሃድሙ ኣለኹም።
Scene 4 A

ሎሚ ናብ ኣስመራ ክኸይድ እየ። ቀልጢፍኪ ኣቝርስና።

ሎም-ቅነ እንዲኹም ካብ ኣስመራ ዝመጻእኩም? እንታይ ሓድሽ ነገር ተረኺቡ?

ንማሕሙድ ወድና ጓል ሃቡና ክብል ደልየ።

ደቂ ኣሕዋተይ’ንዶ ኣለዋ! ንምንታይ ናብ ኣስመራ ትኸዱ?

ኣስመራ ብርሕቀት እንተርሓቐት ብመውስቦ ነቕርባ። ደቂ ኣሕዋትኪ ኣበይ ከይከዳና።

ኣብ ኣስመራ ጓል መን ኣላ?

እዛ ጓል ኣዳላ ሓወይ ዝተወልደትላ መዓልቲ ፈትሊ ኣሲረላ ነይረ። ካልኦት ከይቀደሙኒ


ከዘኻኽሮ ደልየ። ንኣሕዋተይን ኣብ ደቀምሓረ ንዘሎ ወድናን ከኣ እርኢ።

Scene 4 B

ናብ’ዛ ነግራም ጓል ኖራይ ከይትኸዱ’ምበር ጓል ኣዳላስ ጽቡቕ ሽም ኣለዋ።

መዓልኩም እንዳ ጃብር!

መርሓባ ኣቦይ መርከ! በዚ ኮፍ በል።

የቐንየለይ’ዚ ወደይ!

ንመገሻ ዝተበገስካ ትመስል ኣለኻ።

ፈሊጥካኒ። እቲ ወደይ ቁሩብ ሰልዲ ሰዲዱ’ሎ። ከምጽኤን ናብ ኣስመራ ክድይብ’የ።

ኣነ’ውን ናብ ኣስመራ እየ።

መደብካ ምስ ፈለጥኩ እንድየ ዝብገስ ዘለኹ።

መጋይሽቲ ኣለዉና።

በዓል መን ኢዮም?

ናብ ኣሕዋተይ ዝወስዶም ወጣጡ ኢዮም።

ወጣጡ ማለት ግብጃን ደስደስን ማለት ኢዩ። ደስ ዘብል!


Scene 4C

ኣቦይ መርከ!

ኣሃ!

መዓልቲ መዓልቲ ኣስመራ ምድያብ ከድክመካ ኢዩ። ንዓይ ውክልና ዘይትገብረለይ ጉዳይካ
ከማልኣልካ?

ኣይፋሉን’ዚ ወደይ። መገዲ ኣስመራ ለሚደዮ’የ። ድሓር ከኣ ንበዓል ኖራይን ኣዳላን


መብጽሒ ይኾነኒ። ንኺድ ጥራይ።

ሳላ ሓራት ሕጂ ኣስመራ ክንኣቱ ኢና። ዝህውኽ የብልናን።

ንኣሕዋትካ ጉዳም ኢኻ ክትፈትዎም። ጥሪት፡ እኽሊ፡ መዓር፡ ኩሉ ትህቦም።

ክተመስግን ድኣ ደሊኻ! እኽሊ እንተሃብኩዎም ፍረ ግራት ኣቦኦም ኢዩ። ጥሪትን መዓርን


ከኣ በረኸት ዓደ’ቦኦም። ንሳቶምስ ክንድኡን ልዕሊኡን እንድዮም ዝህቡና ዘለዉ። (? ? ?)
ክትውድሰኒ

እወ፡ እወ!

ክዳን፡ ቡን፡ ሽኮር ይህቡና። ኣሕዋት እንተዘይተሓጋጊዞም ኣሕዋት ኣይኮኑን።

ሓቅኻ! ከይረሳዕኩልካ፡ መኪና ኣብ ጥራይ ከብድኻ ንዓቐብ’ያ ተብል። ቁርሲ ደኣ ግበሪ በላ።

ቁርሲ ድሉው’ዩ ዘሎ። ቁርሲ ሃባና።

ግዓት ኣደ ፋጥና ኣዝያ ጥዕምቲ ኢያ። ብጠስምን ርግኦን ካልእ ነገር’ያ።

ጠስሚ እንተበሉኻኸ! ዝተቓመመ ጠስሚ’ምበር!

ከም’ቲ ቀመም ጠስሚ ናይ ቀዳሞት? ተቐላጠፍ በል። (? ? ?)

እነሀትልካ! ሓንሳብ ኢድካ ክትሕጸብ።

Scene 75

እንታይ ድኣ ዝን ኢልኩም? ሰብ ኣስመራ ድሓንዶ ኣይኮኑን’ዮም?

እንታይ ርኢኺ? እቲ ዝጓርተልኪ ዝነበርኩ ህያባት ድሕሪ ሕጂ የለን። ደው ኢሉ’ሎ።

ኣነ ስስዕቲ ኣይኮንኩን። ህያባት ባዕሉ ይፈልጥ። ድሓን ድዮም እቶም ቤተሰብና?


ዘጋጠመ ነገር የለን። ጽቡቕ ኣለዉ።

እቲ ዝኸድኩምሉ ጉዳይከ ሰሊጡዶ?

ጸጊቦም! ሕጸን መርዓን ጥራይ ይብሉ ኣለዉ።

ናይ መን ሕጸን መርዓን ድኣ’ዩ ንሕና ዘይንፈልጦ?

በሊ ደስ ይበልኪ! እታ ንወድኺ ንደልያ ዝነበርና ጓል ንጀማል ወዲ ኖራይ ሂቦማ።

ሕራይ ገበሩኹም! ደቂ ኣሕዋተይ ክተርሕቑ ክትብሉ ኣሕዋትኩም ጠሊሞምኹም።

ተላግጽለይ ኣለኺ? ኩሉ ብሰንክኺ ኢዩ።

Scene 139

ራየት ተቐይማትልና ኣላ።

ብምንታይ ኢያ ትቕየመልካ? ኩሉ ጸጋታትካ ናባና ትጓርቶ ኣለኻ።

ንስኻ ንጹህ ኢኻ። ንሳ ግን ተንኮለኛ ኢያ። ንጓል ሓፍተይ ወጺዖማ ትብል ኣላ ሰሚዔ።
ናይ ኣዲኣ ወሲዳ። ሓትኖይ ሓሊማ፡ ነብሳ ይምሓር! ተንኮለኛ’ያ ነይራ።

ንጓል ሓፍታ እንታይ ኣጕዲልካላ? ቀለባ፡ ክዳና፡ ስልማታ! እንታይ ጎዲሉዋ?

መን’ሞ ይፈልጦ እዚ!? ንስኻ ጥራይ ተጠንቀቕ፡ ቃልካ ከይትቕይር። ንጓልካ ንወደይ
ምሃብካ ደስ ኣይበላን።

ኣብ ጉዳይ ጓለይ ብዘይካይ ዝሕተት ካልእ ሰብ የለን።

መርዓን ሕጸን ኣሕጽር ኣቢልና ብሓደ ክንገብሮ ኢና። ነታ ቈልዓ ካብ ቤት-ትምህርቲ


ኣውጽኣያ።

እዚ ናባይ ግደፎ።

ቻው በል!

ቻው!

Scene 137

ሙኒርከ እንታይ ድሃዩ? ሓንሳብ ምስ ከደ ኣይተመልሰን።


ጽቡቕ ኣሎ። ይድውል፡ ድሃይ ኖሪት እውን ይገብር ኢዩ።

ባዕሉ ዘይድውለላ። ሰበይቲ ጾር ሰብኣያ ድኣ’ምበር ጾር ሓሙኣ መዓስ ኮይና።

ሙኒር ናብራ ወተሃደር ኮይኑዎ’ምበር ዘጒደሎ የብሉን።

ድሓን፣ ሰበይቲ ሰብኣያ ከናብራ ኣለዎ።

ኖራይ ሓወይ ሓሙ ጥራይ መዓስ ኮይኑ። ኣቦ’ውን ኢዩ። ቀለባን ክዳናን ዘጕደለላ የብሉን።

ኣፋንወኒ ኣዳላ።

ቁሩብ ዘይተዕልል።

ክኸይድ ድሓን።

ዶ?

እወ።

ሕራይ በል።

Scene 145

ንሮመዳን ሓውኻ ምኸሮ። ቈልዓ ንኸመርዕዋ ካብ ቤት-ትምህርቲ የውጽኣ ኣሎ።

ንስኻ ዘይትፈልጦ ጉዳይ የብልናን። ኖራይ ጓልኩም ሃቡኒ ኢሉና። ንሕና ከኣ ሂብናዮ። ነታ
ቈልዓ ንገርያ ኢለያ።

ኣሃ?

ንሳ ግን ኣብያ። ተንኮል ትኣልም ኣላ።

ተንኮል ኣይኣለምኩን። ብጋህዲ እዚ መርዓ’ዚ መጻኢ ጓለይ ዘጸልምት’ዩ

ኢለ። ኣይተቐበልኩዎን እብል ኣለኹ።

ከምኡ ጌርኩም ዋዕዋዕ ኣይትበሉ። ከማኽረኩም ጸዊዕኩምኒ ነንሓድሕድኩም


ኣይትመላለሱ። ቈይቊ ምስ ጥዕናኻ ኣይከይድን’ዩ። ንስኺ ከኣ ጸገሙ እናፈለጥኪ
ኣይተሸግርዮ።

ሳብሪን ስለዝነኣሰት ወይ ንትምህርቲ ሓሲባ ኣይኮነትን። ካልእ ድልየት ስለዘለዋ ኢያ


ከምኡ ትገብር ዘላ።
እንታይ’ዩ እቲ ካልእ ድልየተይ?

ንደቂ ሓውኺ ክትህብያ ስለ ዝደለኺ ኢዩ።

ኣነ ንደቂ ሓወይ ትወሃብ ኢለ? እንተበልኩኸ? ደቂ ሓወይ እንታይ ኣበርዶ ኣለዎም’ዩ?


ዘዝተወልደት ንሓውኹም ክትህቡዋ ደሊኹም?

ስምዑኒ ረቢ ይስማዕኩም!

ኣሜን!

መርዓ ብግዲ ኣይከውንን’ዩ። መርዓ ኣብ መንጎ ኣዝማድ ንዝያዳ ፍቕሪ’ዩ ዝግበር።


ከይጀመረ ግርጭት ዘምጽእ እንተኾይኑ ግን እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ?

ነዚ ሓፍ-ሓፍ ራየት ዲኻ ግርጭት ኢልካዮ? ንሳን ጓላን ጽባሕ ወርቅን ጨርቅን ምስ ኮና


ክትርስዖ ኢያ።

ካብ’ዚ ንላዕሊ ግርጭት እንታይ ኣሎ? ንስኻን ጃብር ሓዉኻን ተባቲኽኩም። ጃብርን
ኖራይን ከም ክልተ ኣሕዋት ድዮም ዘለዉ? ንስኻን በዓልቲ-ቤትካን ካብ መዓስ ከም’ዚ
ተሓራሪቕኩም ትፈልጡ? ሳብሪን ከም ጓል ሳልም ተማሂረ ወለደይ ክሕግዝ እናበለት
ንምንታይ ሕልማ ትኾልፉዋ? እንታይ ኢያኸ ክትብል?

ንጃብር ባእስን ኩራን ኣይግብኦን’ዩ።

ኣሃ?

ኖራይ’ውን ሓውናን በዓል ውዕለትናን’ዩ። ሳብሪን ኣይትዓብዮን’ያ። ንወዱን ንጓሉን ክእክብ


ኢዩ ደልዩ። ግና ሕጂ ኣመርዕዉና ይብል ኣሎ። እንታይ’ሞ ክንገብር? (? ? ?)

ኣነ’ውን ከምኡ’የ ዝበልኩ። ጓልና ክንዲ ሰብ ክሳብ ትኣክል ተጸበዩና እብል ኣለኹ።
ንኣሕዋት ዘባእስ ጥቓና ኣይቕረብ።

ምስ ባእስን ሕሜታን መርዓ ኣይግበርን’ዩ። ኣነ ምስ ኖራይ ክመያየጥ እየ። ንጃብርን


ኖራይን’ውን ክንዓርቆም ኢና። ሰለስቴኹም ኣሕዋት ምስ ተዓረቕኩም፡ ሳብሪንን ኖራይን
እንተተፋቒሮም ይመራዓዉ። ኣይትተሃወኹ። ሳብሪን እንተዘይሰምዓቶ ይሓይሽ።

ሕራይ፡ ንስኻ ንኖራይ እንተኣረዲእካዮ ረቢ ይሓግዝካ! ንስኻን ጃብርን ዘይብሉ ጉዳይ


ኣይጠቕመናን’ዩ።

ከምኡ ግበር ሮመዳን ሓወይ። ዓዲ ፍቕርን ምርድዳእን ይግበረና!

በዚ ቅሰኑ። ኣይትሻቐሉ።
Scene 114

ማሽኣላሕ!

ኣደ ኣምና፡ ሎሚ ማሽኣላህ ሽሻይ መጺኡኪ ኣሎ።

እንታይ ወሪዱልኩም? ጽቡቕ ስራሕ ዲኹም ረኺብኩም? (? ? ?)

ኖራይ ሓወይ ኢዩ ሂቡና። ዘይውዳእ ሽሻይ ይሃቦ! ንሱ ይህብ፡ ንሕና ንቕበል።

ንሱ ይህብ ንሕና ንቕበል ዲኹም ዝበልኩም?

እወ፡ ስራሕ ክደሊ ኮለል እናበልኩ ደዊሉለይ።

ዶ! እንታይ ድኣ በለኩም?

ናብ ድኳን ምጻእ ኢሉኒ።

እዚ ኩሉ ንሱ’ዩ ሂቡኩም? ሓው ካብ’ዚ ሓሊፉ እንታይ ክገብር ድዩ ተወሊዱ!

እወ! ፊኖ መሳሊ’ውን ዳሕራይ ከምጽኦ’የ።

ኖራይ ድኳኑ ናባና ይጓርቶ ኣሎ። እንካ ዝበሉዎ ከኣ ካብ ምቕባል ሓሊፉ እንታይ ይገብር!

ረቢ ይሃቦ ኖራይ ሓወይ!

እንታይ ድኣ ምሳሕ የለን ቡን የለ?

ኖራይ ይህብ፡ ንስኹም ከኣ ትጓርቱ ኣለኹም? ጓል ዝሃበ እዚ መዓስ በዚሑዎ።

ዘረባ ኣይተብዝሒ። ህያብ ኖራይ ደስ ኣይበለኪን።

ኣነ ይፍተዎ ኣይፍተዎ ኣምጺእኩሞ ኣለኹም! በዓል ውዕለትኩም ሂቡኩም ኣሎ!

በዓል ውዕለትና ሂቡና በሊ። ኣነ በይነይ እበልዖ የለኹን።

ኩሉ ንሱ ኢዩ። ዝሃበ ረቢ ይሃቦ! ድሓር ድኣ ገለ ከይወልደልና’ምበር…

ኣቦ፡ ኣቦ፡ ሓወ’ቦይ ኖራይ ቸኮላታዶ ሰዲዱለይ?

ስቕ በሊ! ሰብ ኣብ ምንታይ ኣሎ! ንስኺ ከኣ … ነግራም!

ሕርቃንኪ ኣብ’ዛ ቈልዓ ኣይተውጽእዮ። ተግባራትኪ ኩሉ ተረዲኡኒ ኣሎ። ስቕ በሊ ጓለይ።


ነዘን ደቀይ ትንክፍ ተብልየን ወይልኺ!
ንበይንኹም ዲኹም ወሊድኩመን?

ዝበልኩ እበል! ኢድክን ኣፍክን ኣክብለይ።

Scene 120

እዚ ትሩፍ ወድኻ ናበይ ኣቢሉ? ሓደን ከንቶን!

ከምኡ ኣይትበሉ። ኣዋልድኩም ኣይትንዓቑ። ዳውድ ሳልሕ 8 ወዲ ወሊዱ ሓደ ቀባሪ


እንድዩ ስኢኑ። ንመንሱር ወድና ባዕልኹም ትብድልዎ ኣለኹም። (? ? ?)

ናይ ዳውድ ሳልሕ ገዲፍኪ ተዛረቢ። 8 ወዲ ዘይኮነስ 8 ዒሉ’ዩ ወሊዱ።

ንጓል ሳልም ትርእዩዋዶ የለኹምን?

እወ፡ መነባብሮ ስድርኣ ኣመሓይሻቶ።

ርኢኻ ኣቦ፡ ቲቪ፡ ሳሎን፡ ፍሪጅ፡ ገዝኦም ክጽብቕ ገይራቶ!

ንፍዕቲ ጓለይ! ባባ ገዲፍኪ ኣቦ በልኒ። ኪዲ በሊ ምስ መሓዛኺ ኣጽንዕኪ፣ ተጻወቲ።

እሂ ማማ? ክጻወትዶ?

ሕራይ፡ ግና ከይትድንጕዪ።

Yes,thanks mom!

ነታ ቈልዓ ነጊርክያዶ?

እንታይ’የ ዝነግራ?

ክትምርዓዊ ኢኺ፣ ትምህርቲ ኣቋርጽዮ በልያዶ ኢለኪ?

ኣይነግራን። እንተደሊኹም ባዕልኹም ንገሩዋ።

ኣነ ንእንጄራኹም ላዕልን ታሕትን እብል፡ ንሳ ካብ ምህሮ ናብ ምህሮ፣ ኣበይ ተራኺብና


ክነግራ።

ከም ዘይትቕበለኩም ፈሊጥኩም! ኣነ ሎሚ ኣይነግራ ጽባሕ።

ሎሚ እንተዘይነጊርክያ ኣነን ንስኽን ክንርኤኤ ኢና።


Scene 118

ንኣቦኹም ኣይትሕርቑዎ። እንተሓሪቑ ይወድቕ’ዩዶ ትብልና ኣይነበርክን። ንምንታይ


ትብኣሱ?

ቅድመኺ ይስጥሓኒ! ንዓኺ’ውን ኣርኪቡልኪ!

ኣበይ ኣላ ሳብሪን?

ክትመሃር ከይዳ። ንስኹም መርዓ፡ ንሳ ከኣ ምህሮ ትብል ኣላ።

ጓል ካብ ሕጸን መርዓን ሓሊፋ እንታይ መጻኢ ኣለዋ! እንተዘየውጺኤያ ኣነ ኣይኮንኩን!

ጓለይ ንመርዓ ኢላ ትምህርቲ እንተኣቋሪጻ ኣነ ኣይኮንኩን!

ኣነ ከኣ እንተዘየውጺኤያ ኣነ ኣይኮንኩን!

ንመጻኢ ነብሰይን ስድራይን ክመሃር’የ እናበለት ክትኮልፉዋ? መን ከምኡ መኺሩኩም?

ከምኡ ወሲነ። እንታይ ክትገብሪ ኢኺ?

Scene 29 B

መርሓባ ጓለይ!

መርሓባ! ከመይ ውዒልኪ ጓለይ?

በዚ ኮፍ በሊ።

ሓወ’ቦይ ኖራይ ኣይመጽኤን?

ሓወ’ቦኺ ኖራይ ምስ ሓወ’ቦኺ ጃብር ይመጽእ ኣሎ።

ዓሽ! ሓወቦይ ኖራይ ቸኮላታ፡ ሓወ’ቦይ ጃብር ድማ ጤል ከምጽኣለይ ኢዩ።

ብዘይካ ከብድኺ ካልእ ሓሳብ የብልኪን። ስስዕቲ ኣይትኹኒ።

ስስዐ ካብ መን’ያ ወሪሳቶ?

ድሓን ሰሚዔኩም ኣለኹ። ንዒ ክዳንኪ ቀይሪ ጓለይ።

Scene 126

ኣነ’ውን በዓል ኖራይ ክይቅድሙኒ ኢለ’የ ዝሓትተላ ነይረ።


ንሳ’ውን ሓወ’ቦይ ጃብር ጥራይ ኢያ ትብል።

ስለዝፈትዋ እንድየ ንወደይ ሓቲተላ። ኣዳል ግን ሕማቕ ገይሩ።

ንጃብር ከሊኤዮ እንተዝብሎ መን መገደዶ? (? ? ?)

ብኣደ ስለንፈላለ ንዓይ ጓና ገይሮምኒ።

ንስኻ ሓቲትካላ ከምዝነበርካ እንተዝፈልጥ ኖራይ ሓሳቡ ምቐየረ።

ኖራይ ብሰማይ ዝነጠቦ ሃብቲ ኣዕዊሩዎ። ፍቕርን ስኒትን ካብ ገንዘብ ከምዝበልጽ


ኣይፈለጠን። ኣመጻጽኣ እቲ ዝምከሓሉ ዘሎ ገንዘብ‘ውን ትፈልጥዮ ኢኺ።

ንሱ ድኣ ሓቅኹም።

Scene 128 (ህግያ ድግምት ብእታ)

ሳብሪን ጓለይ ኣይህቦምን’የ። እንዳ ኖራይ ነታ ኣቐዲሞም ዝወሰዱዋ ጓለይ እንታይ ጽቡቕ
ፈድዮማ! ንብዓት ኮይኑ ቀለብ ኖሪት ጓለይ!

Scene 44

ፈትንያ እስከ…?

ኣሃ?

ጽንሒ፡ ጽንሒ!

ኣሃ?

እስከ ሕጂ ፈትንያ። በቃ ይኣኽለኪ። ኣጽኒዕኪ ሓዚ።

ጽቡቕ መጺኣ።

እወ ተዓርያ።

ኣቡዬ ኣዳላ

መርሓባ ወለቼ ሄቨን!

መስንየትኪ ሓዜኪ ወለ ትሰፍለልኪና?


ትለአኮ። (? ? ? ? ?)

ድሓንቱ?

ደሓን ቱ።

እምዬ እክል እግል ተአድቅቅ እዬ ምጽአኒ ቴለካ።

ከላስ አዜ እግል ዐሬኪ ቱ። አዳልዮ ቤለ።

ሕራይ።

መጻእኩ።

ዓንዶም ኩሉ ግዜ ምስ ሓገዘኩም’ዩ።

ስራሕ እንተረኺቡ ወይ ብቴሌፎን ወይ ብኣካል’ዩ ዝጽውዓኒ። ዓንዶም ጥዑይ ሰብ’ዩ።

ብሓቂ ጥዑይ ሰብ! እዛ ቈልዓ ንድኳን ልኢኸያ ደንጕያ።

ማልስ ከተምጽእ ከላ ተቐበልያ። ቈልዓ ገንዘብ እንተለሚዱ ሰራቒ’ዩ ዝኸውን።

ኩብላልያ ኮይና።

እወ።

Scene 101

ይኣክል፡ ይኣክል።

እቲ ሕቶና ንሓውኹም ነጊርኩሞዶ?

እንታይ ሕቶ’ዩ እዚ? ትእዛዛትኪ በዚሑ።

ከም ቈልዓ ኣይተጠፋፍኡኒ። ብዛዕባ እቲ መርዓ በደላ እብለኩም ኣለኹ። (? ? ?)

ኣናዊጽክኒ። እንታይ’የ ገይረኪ?

ሕጂ ንገርዎ። ሰይቲ ወዱ ምስ ወሰደ ድሓር ኣይሰምዓኩምን’ዩ። ንሮመዳንን ጃብር


ሒዝኩም ኪድዎ።

ሮመዳንን ጃብርን ካልእ ስራሕ ኣለዎም። ነዚታት ዝኸውን ግዜ የብሎምን።

ብጉዳዮም ንኣስመራ መጺኦም ኣለዉ። ሕጂ ጸውዑዎም።


ቀስ ኢልና ክንሓስብ ግደፍና። ጃብር ጓል ከሊኦምኒ እናበለ ከመይ ኢለ ክጽውዖ?

ዓቢ ሓውኹም’ዩ። ብሓደ ኰንኩም ንኖራይ ንገሩዎ።

ምስ ኖራይ ዘዛርብ የብለይን።

ንገሩዎ’የ ዝብለኩም ዘለኹ። ንምንታይ ትፈርሑዎ? መመሪጹ እንድዩ ዝወስድ ዘሎ።

ሰይጣን ሰሪሩኪ ኣሎ ኣቲ ሰበይቲ። ካብ መንገዲ ሰይጣን ርሓቒ።

ብስምላ! ድሓን ድኹም? (? ? ?)

ግደፍኒ!

Scene 106 & 108

ንኣሕዋትካ ባዕልኻ ኢኻ ኣዕቢኻዮም። ከም’ዚ ክፈድዩኻ ኣይግባእን’ዩ።

ኖራይ ጸጊቡ። ንኹሉ ብገንዘቡ ክገዝኦ ደልዩ። ዝገደደ ግን እቲ ኣዳላ ናብ ዝበሎ ይጕተት
ኣሎ።

ንዓይ ኣየማኸሩኒን። እቲ ሓደ ሂቡ፡ እቲ ሓደ ከኣ ወሲዱ። ኣነ ተወጺዔ ኣለኹ።

መወዳእትኡ የጸብቆ! ኣበይ ከም ዝበጽሑ ክንርእዮም ኢና።

ኖራይ ትማሊ መጺኡ ነይሩ። ኣነ ጨጨጓሩ ንውሽጢ ገይረ ትም ኢለ።

ሕጂኸ እንታይ ደልዩ። ሕጸን መርዓን ድዩ ክብል ደልዩ?

እንታይ ፈሊጠ ሓፍትኻ!

እዚስ ኣይግድን።

Scene 106 & 108

ትብጻሕኩም ተባሂሎም’ምበር ሕጸ ኣይተገብረን። መርዓ ከኣ ድሕሪ ሕጸ ይርኤ።

እቲ ዘሕጽይዎ ዘለዉ ወዶም ድልየት ሳብሪን የብሉን።

ሓንቲ ኣፍቂሩ ኣሎ ኢሎሞ።

ኖሪት ጓለይ እንታይ ጽቡቕ ረኺባ። ብግዲ ተመርዕያ ሰብኣያ ጠንጢኑዋ ከይዱ። እታ
ንዕልታ ከኣ ሰላም ከሊኣታ።
መንሱራ?

እወ ንሳ።

መንሱራ ፍጥረት ሰብ የብላን። ብትዕቢት ሓቢጣ። ተግባራታ ኣብ ክንድኣ የሕፍረካ።

ኣፍ ጭርናዕ ኢዩ ዝብላ መንሱር ወደይ። ኣይፈትዋን’ዩ።

ንመንሱር እናነዓቐቶ እንተዘይኣመርዕየያ ጃብር ኣይኮንኩን።

ይኣምነለይ ጃብር ሓወይ!

Scene 94

ሰላማት ማማ!

መርሓባ መንሱር ወደይ! እንታይ ድኣ ደንጒኻ? ኣሻቒልካና!

ኣ (? ? ?)

መጀመርታ እዚ ካብቲ ኣእዛንካ እለዮ።

ንምንታይ ደንጒኻ? ኣሻቒልካና እብለካ ኣለኹ።

ኣሃ! ንእሽቶ ዘለኹ ድዩ መሲሉኪ ትሻቐሊ? ኣዋልድ ኣይመጽኣን?

ሳምያ ናብ ድኳን ልኢኸያ ኣለኹ።

ሽሮ እንተትገብርለይ ምበላዕኩ። ጠምየ ኣለኹ።

በጃኻ ይስጥሓኒ! ክሳብ ሕጂ ጥራይ ከብድኻ ኣለኻ?

እወ።

ምስ ሓወ’ቦኻ ኖራይ ክትምስሑ ቁሩብ ተጸበ።

ትማሊ ሕጸ ኢሉ። ሎሚ ከኣ መርዓ ክብል’ዩ።

መርዓ ኣይኮነን ሕጸ’ውን ኣይበጽሓናን። ሳብሪን ከኣ ኣይፈለጠትን ኣላ። ንሕና ከኣ ናትና


ጠለባት ክነቕርብ ኢና።

ናይ ምንታይ ጠለባት? ንሳብሪን ብገንዘብ ክትሸጡዋ ደሊኹም?

መዓስ ላም ኮይና ብገንዘብ ትሽየጥ! ሰብ ብሰብ’ዩ ዝልወጥ።


ገንዘብን ወርቅን እንተዘይኮኑ እንታይ’ዩ ጠለባትኪ? ንገርኒ።

ግዜኡ ምስ ኣኸለ ክትፈልጦ ኢኻ። ንዓኻን ንሓፍትኻን ዝጠቅም’ዩ።

ሓወ’ቦይ ኖራይ ይመጽእ እንተ’ልዩ ኣነ ክኸይድ’የ። ምስ ኖሪት ሓፍተይ ከዕልል። ናፊቐያ


ኣለኹ። ቅድሚ ምኻደይ ግን ንእሽቶይ ምበላዕኩ።

ክገብረልካ ቁሩብ ተጸበየኒ።

Scene 96

እንኪ፣ እዚ ሽሻይ ኖራይ’ዩ። በቃ ክትመጽእ ክትመጽእ ክትጓርተልና? ዝገበርናልካ ዘይብልና!

ኣየናይ ኮይኑ’ዚ ኣዳላ ሓወይ!

ኩሉ ግዜ “ሴማ” ትብል። እንታይ ማለት’ያ?

ዘዝሰማዕክያ ቃል ግለጹለይ ክትብሊ ኣጸሊልክና። “ዋላ ሓደ” ማለት’ያ።

ትርጉም የብላን ማለት ድዩ?

እሞ ብትግርኛ ክነግረኪ። ወላ ሓቴ ኢወዴና እካ በሀለት ታ። (? ? ?)

ኦይ፡ እዚ ባባሲ! ንሕና’ውን ሳብሪን ሓፍተይ ሙሽ ሂብናዮም?

ስቕ በሊ ኣቲ ስዲ! ኣብ ዘረባ ዓበይቲ ጦብሎቚ-ጦብሎቚ ኣይትበሊ።

ኣይትድሃላ። ንእሽቶይ እንድያ።

ደቂ ሎሚ ሰዲዶም። ኣብ ዘይምልከቶም ዘረባ ዓበይቲ ይኣትዉ።

Scene 199

ኣቦኻ ከየማኸረና ንሳብሪን ንጀማል ሂቡዋ።

ጀማል ካልእ ኣፍቃሪት ኣላቶ። ንሳብሪን ኣይምርዓዋን’ዩ።

ጀማል ዝበሎ ኣይኮነን ዝኸውን። ባህልና መዓስ ጠፊኡካ።

ሳብሪን እንተፈሊጣ ክትጠፍእ’ያ። ምስ ጀማል ከጻልኡና’ምበር …


ብኸመይ?

ንኖሪት ከይተመርዓወ ምስ ሙኒር ንፋቶ ኔርና። ሕጂ እነሀልኪ ተጻሊእና።

ንሳብሪን እንታይ ኢና ክንብላ? ክሳብ ሕጂ ሓቢእናላ ኣለና። ንሳ ተማሂራ ክትሕግዘና


ትሓስብ ኣላ።

ሓቃ! ኣነ ትምህርተይ ስለዘቋረጽኩ እንድየ ኩብላልያ ኮይነ ዘለኹ።

ጸላኢኻ ኩብላልያ ይኹን መንሱር ወደይ! ኣይኮንካን!

ኣቦይ ሽመይ ‘ኩብላልያ፡ ትሩፍ’ ገይሩዎ ኣሎ። ትምህርቲ ስለዘቋረጽኩ እንድየ ዝንዓቕ
ዘለኹ።

ንስኻ’ውን ኣይሓገዝካዮን።

ሰለስተ እግራ ብሽክሌታ ክደፍእ? እተን ኣዋልድከ እንታይ ክብላኒ!? ስራሕ መካኒክ ከኣ
ትርእይዮ ኣለኺ፣ ጥርዝያ ኮይኑ ውጽኢቱ።

ስራሕ ክብረት’ዩ እዚ ወደይ። ኣቦኻ ንዓኹም ከዕቢ እንታይ ዘይሰርሔ። ድሓር ከኣ ጥዕና
የብሉን። ትርእዮዶ የለኻን ይሓምም።

ድሓን፡ ኣይትሻቐሊ ማማ። ንእሽቶ ጉዳይ ኣላትኒ። ክምለስ’የ ማማ።

ብሰላም እቶ መንሱር ወደይ! ኣይትደንጒ።

ቻው!

መርሓባ!

Scene 12C (ክርን ኖራይ ኢኮን። ክርን ዳፍላ ትመስል)

ኖራይ ድዩ? ሃለው ኖራይ!

ሃለው! መርሓባ ኣዳላ!

ከመይ ኣለኻ?

ይቕሬታ፡ ስራሕ ስለዝረኸብኩ ኣይትጸበዩኒ። ጽባሕ ክመጽእ’የ።

ኣይክትመጽእን ኢኻ?

እወ።
ድሓን’ምበኣር። ካልእ መዓልቲ ትመጽኣና፣ ቻው።

Scene 157

ሰሚዕኪ ኣደ ኣምና?

ኣሃ?

ኩሉ ሰብ በዛ ሳብሪን ጓልና ይዛረብ ኣሎ። ረቢ ዕድመን ጥዕናን ይሃባ!

ብምንታይ የልዕልዋ ኣለዉ?

ብትምህርቲ ንፍዕቲ እንድያ!

ንሱ ድኣ እወ! ኣዂሪዓትና እንድያ። ዕድመን ጥዕናን ይሃባ!

ኣብ’ቲ መዓልቲ ምዕጻው ቤት-ትምህርቲ ተሓቢነ እየ። ሳብሪን ኣዳል ምስ በሉ ገጸይ


በሪሁ።

ኣነ’ውን ብልጫታታ ክርኢ ከለኹ እሕበን’የ። ንስኹም ግን ነዚ እንናርአኹም ክተመርዕዉዋ


ወሲንኩም።

ኖራይ በዓል ውዕለትና’ዩ፣ ከመይ ጌርና ክንከልኦ? ኣላዪና ክንሱ ክንከልኦ ኣይንኽእልን ኢና።

እዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ፋሕ-ብትን ሕማቕ ድዩ ጽቡቕ? ብኸም’ዚ ዝጀመረ መርዓ ከመይ


ክኸውን’ዩ?

ሮመዳን ንኖራይ እንተኣእሚኑዎ ኣነ መጻኢ ጓለይ ኣይሰብርን’የ።

ኩሉ ሮመዳን ክገብረልኩም ኣይትጸበዩ። ንስኹም’ውን ገለ ግበሩ።

ኣነ ንጃብር ይቕረ ግበረለይ እብሎ። ንሳቶም ንኖራይ ጥራይ የእምንዎ።

ኖራይ ሓሳቡ እንተዘይቀይሩኸ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም?

Scene 220

ርኢኺ ኣደ ኣምና?

ኣሃ?

ኣነ ቡን ካብ ምስታያ ሽታኣ ደስ ይብለኒ። ኣየናይ ግዜኸ ኣሎኒ ንምስታያ! ኣደ ኣምና!


ኣሃ?

ኣኼባ ከመይ ነይሩ?

ሰብኡት ኣኼባ ምስታፍ ገዲፍኩሞ።

ግዜኽን እንድዩ፡ ተሳተፋ። እንታይከ በሉ?

እትው ምስ በልኩ እቲ መምህር፡ “ኣዲኣ ንሳብሪን ድኺ?” ኢሉኒ።

እንታይ ድኣ ኣቦኣ ኣዳላ ኢዩ፣ ስራሕ ከይዱ ዘይትብልዮ?

ብኣኹም ኣይሓተተኒን።

ደሓርከ እንታይ ኢልክዮ?

እወ፡ ኣዲኣ ንሳብሪን’የ ኢለዮ።

ባዕለይ ከይከይድ ነበርኩ!

ኣነ እንተኸድኩኸ?

ኣቦኣ ኣነ ሙዃነይ ምፈለጠ። እቲ ዳይረክተር መኽበረኒ ነይሩ።

ንኣዲኣ እንተፈለጠ እንታይ ጸገም ኣለዎ?

ድሓርከ እንታይ ኢሉኪ?

ብመንፍዓታን ጠባያን ጽቡቕ ኣብነት ኢያ ኢሉኒ።

ሽምና ኣስምያቶ ሳብሪን ጓለይ። ክብርን ዝናን ይሃባ!

ንንፉዓት ደቂ-ኣንስትዮ ኣተባብዑወን ኢሎምኒ።

ኖራይ መንፍዓታ ርእዩ እንድዩ ብሽክሌታ ገዚኡላ። ይፈትዋ’ዩ።

መተባብዒ ኖራይ ጉቦ ኢዩ ነይሩ።

ሕማቕ ኣይትዛረቢ። ብዘይ ኖራይ ናብራ ከመይ ምኸኣልናዮ?

ናብራና ረቢ ኣለዎ። እቲ ዝደኸየ ሰብ’ውን ውላዱ ኣይሸይጥን’ዩ።

ኖራይ ሓወይ ጓል ኣይትበዝሖን’ያ። ዘይሽሙ ኣይትሃብዮ። ውዕለቱ ካብ ረቢ ይርከቦ!

ገና ድሕሪ ኖሪትን ሳብሪንን ይእውደና ኣሎ? ንመንሱራ መባድልቲ ሳብሪን እንተዘይሂቡና


ኣይረኽባን ኢዩ።
ቡንና ቅድሕልና። እዚ ዘረባታት’ዚ ንየው በልዮ።

Scene 234

ኣብ’ዚ ዳንጋይ’ዩ ዘሕምመኒ ዘሎ። ድርዝ ኣብልለይ። እዛ ሽመት ክንደይ ትፈትውያ ኢኺ!
ሕጂ ከኣ ናይ ገዛውቲ ኮሚቴ ኰንኪ? ኣነ ንበይነይ ገዛ እሕሉ ኣለኹ።

መን’ዩ ስራሕ ገዛ ናይ ሰበይቲ’ዩ ዝበለ? ካብ’ቲ ስራሕኩም ንዕቀትኩም በዚሑ።

“ሕስርቲ ሰበይቲ ዘዋሪት፡ ሕስርቲ ስጋ ሽንፍላ” ክብሃል ኣይሰማዕኪን?

መቐረት ድሎት ዘይፈልጡ’ዮም ኢሎሞ። ካብ ድሎት ዝምቅር እንታይ ኣሎ?

ንዋዘየኪ ኢና ዘለና።

ክትሰዓሩ ከለኹም ናብ ዋዛ ትቕይርዎ።

ናይ ሎሚ ኣኼባ ብዛዕባ እንታይ ነይሩ?

ናይ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኢዩ ነይሩ።

ናይ ደቂ-ኣንስትዮ? ንጽቡቕና ይግበሮ!

ንኹልና ዝሓይሽ ይግበሮ!

ኖራይ እንታይ ደልዩ? ሃለው ኖራይ! ክመጽኣካ? ሕራይ መጻእኩ።

ግርም’ባ ንሕና ዘይንፈልጦ ምይይጥ!

Scene 234 (ዕልብ Scene ድጉም ሀለ)

ስምዕኒ’ባ ኣሞ?

ኣሃ?

እዚ ንሰምዖ ዘለና ሓቂ ድዩ?

ጀሚላ ዘይትሰምዕዮ የብልኪን! እንታይ ሰሚዕኪ?

ከማኺ ኣይንውዕልን። ኣንቴናታትና ገቲርና ኩሉ ዝተባህለ ንእክብ። (? ? ?)

ቤላ-ቤለው ሕማቕ’ዩ። ሓቂ ጥራይ ሓዚ።


ኣቕሪበ እንደኣለይ። እቲ ዝሰማዕኩዎ ኣሕዚኑኒ። ኣፍንጫ እንተተሃርመት ዓይኒ ትነብዕ
ኮይኑኒ። ኣብ ዘይምልከተኒ ጉዳይ ኣትየ።

ጀሚላ መዓስ ጓና ኰንኪ? መሓዛይ ኢኺ። ብንእሽቶኺ ረቢ ዓባይ ገይሩ ፈጢሩኪ! እንታይ
ኢኺ ሰሚዕኪ?

እቲ ጉዳይ ብዙሕ ኣይምልከተኒን’ዩ። ይቕሪታ ግበርለይ። እዚ ንሳብሪን ክተመርዕዉ


ትገብሩዎ ዘለኹም ጽቡቕ ኣይኮነን። ከም ጓል ሳልም ተማሂረ ስድራይ ክሕግዝ’የ ትብል
ኣላ። መጻኢ ዕድላ ኣይተጸልምቱ።

ከምኡ ምባልኪ ኣይሓምየክን’የ። ግን ካብ መን ሰሚዕኪዮ? (? ? ?) ኣትቅየመልክን

ኣይኮነን ማለት ድዩ? ያ ረቢ ሓሶት ግበሮ! ዘይተባህለ ኣውርዮም ማለት ድዩ?

ዘይተጠብሰ ኣይሽትትን። ከምኡታት’ዩ ነገሩ።

‘ዝወዓለ ይንገርካ፡ ዝሰሓተ ይምከርካ።’ ተመኵሮይ ኣብ ሳብሪን ክድገም ኣይደለኹን።


መርዓ በዓል ወጻኢ ኣሚነ ትምህርተይ ኣቋሪጸ። ሎሚ ከም ጓል ሳልም ስድራይ ምሓገዝኩ
ነይረ።

ነዚ ሓሳዊ፡ ውሉፍ ሓሺሽ እንቋዕ ኣይተመርዓኽዮ። ንዓኺ ዝወስድ ዕድለኛ ኢዩ።

ሽዑ ኣነ ካብ ሳብሪን እዓቢ ነይረ። ከይርኣኹዎ ትምርተይ ኣቋሪጸ። ሳብሪን ትሕተ-


ዕድመ’ያ። ተስፋኣ ካባኺ’ዩ። መርዓ ብግዲ ኣየናብርን’ዩ።

ሓዳር ብግዲ ውጽኢት የብሉን። መወዳእትኡ የጸብቆ!

ባዕሉ የጸብቆ!

መንሱርከ ከመይ ኣሎ?

መንሱር ካብ’ዛ ኣፉ ኣውጺኡኪ ኣይፈልጥን።

መንሱር ይዝክረኒ ኣሎ?!

ደቂ ሎሚ ፍቕርኹምን ባእስኹምን ጥቓ-ጥቓ’ዩ። እንታይ ፈሊጠ ኣዴኺ።

Scene 124

ኣደ፡ ሕጂ ከጽንዕ ናብ ላይብረሪ ክኸይድ’የ። ድሕሪኡ ንክላስ ክኸይድ’የ።

ላብራሪ ካብ እንዳ መን’ዩ?


ላይብሬሪ ቤት-ንባብ ኢዩ።

እዚ ዘረባ ተመሃሮ ዋላ ዋላ ኣይርደኣኒን’ዩ።

ዘረባኦም ኣይርድኣካን’ዩ። ቋንቋና ከይጠፍእ ምስኦም ክንቃለስ ንውዕል ኣለና።

ተቓለሱ ድኣ’ምበር ቋንቋና ጉራማይለ ኮይኑ’ዩ።

ሕራይ በሊ ኪዲ። ሓወ’ቦኺ ጃብር ዝበሎ ዘክርዮ። ኣይትደንጕዪ፣ ኣነ’ውን ክወጽእ’የ።

ሕራይ፡ ዲቪዛይ ኣበይ ኣሎ?

ምስ ቦርሳኺ ኣሎ።

ሰላም ውዓሉ!

ብሰላም ተመለሲ።

Scene 241

ኖራይን ኣዳላን ንዓይ ጓና ቈጺሮምኒ። ነበይኖም ጉዳዮም ይውድኡ ኣለዉ።

ንዓኻ ኣጓንዮም ኣበይ’ዮም ክበጽሑ? ሳብሪን ኣቕሓ ኣይኮነትን። ኣነን ንስኻን ከይፈተና
ኣይትምርዖን’ያ።

ቈልዓ ይጐዪ’ምበር ኣይቅድምን። ኣበይ ከም ዝበጽሑ ክርእዮም’የ።

ንወላዲታስ እንታይ’ዶ ኣማኺሮምኒ ኢዮም? መርዓን ሕጸን ብሓደ ክንገብሮ ኢና ይብሉ


ኣለዉ።

ንዓኺ ከየማኸሩ!? ጸወታ ኢዩ’ዚ። ኖራይ ኣብ ክንዲ ኣቦን ኣደን ኮይኑ ይውድኦ ኣሎ።

ጓለይ ትምህርታ ወዲኣ እንተትነብር ንጀማል ኣይምኸላእኩዋን። ካብ ኩሎም ንሱ


ይበልጽ። መርዓ ትሕተ-ዕድመ ግን ኣይሰማምዓሉን’ዩ።

ከይትሰምዕዮም። ኣነ ቅድሚ ኖራይ ፈትሊ ኣሲረላ ነይረ። ኣዳላ ግን ጠሊሙኒ። ሕጸ


ከይባረኽናሎም ናብ መርዓ!? መስተንክር’ዩ እዚ!

ከምኡ ይብሉ ኣለዉ። ኣቦ ኣምና ባዕሉ’ዩ ኣምሊቝዋ።

ኖራይ ሰይጣን ሰሪርዎ ኣሎ።

እቲ ደድሕሪኡ ዝጉተት ዘሎ ሓውኻኸ?


ብኪሎ ቡንን ሽኮርን ይጥብሮ ኣሎ። ነገር ኖራይ ግን “ዝብእስ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ”
ኢዩ። መርዓ መባድልቲኸ ኣልዒልኩምሎምዶ? (? ? ?)

ነጊረዮ። ሓውኻ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይነገሮን። ዕድል ሳብሪን ኣብ ኢድካ ኢዩ ዘሎ። ይሓግዝካ!

ረቢ ይሓግዝ!

Scene 250

መርዓን ሕጸን ብሓደ ኢዩ። ካብ ጽባሕ ትምህርቲ ተቋርጽ!

ኣነ ኣይተሓተትኩን። ሳብሪን ኣይተቐበለቶን። መርዓ ብኸመይ ይግበር?

ንድሕሪት ኣይንምለስን ኢና። ንገርያ። ንመርዓ ትዳሎ።

ጓለይ ብዘይድልየተይን ብዘይድልየታን ኣይትምርዖን’ያ። ምስ ሓውኻ በይንኹም


ዝገበርኩሞ’ዩ እዚ። (? ? ?) ኣታ

ኣዳላ ተደፊርካ! ኣነን ንስኽን ክንርኤኤ ኢና!

ሳብሪን ኣነ ድየ ወሊደያ ወይስ ኖራይ? ክንርኤኤ ኢና! ሓቅኹም ንዒቕኩምኒ። (? ? ?)


ኣቱም

ብፈኸራ እንተኾይኑ ኣነ’ውን ክትርእይኒ ኢኺ።

ሓዲኡ ምረጽ። ንዓይን ንጓልካን ወይ ንኖራይ! ደድሕሪ ኖራይ ምኻድ ይኣክል። (? ? ?)


ኣታ

ብዘረባኽን ቃለይ ኣይዓጽፍን’የ።

ኣነ ዘይተሰማማዕኩሉ መርዓ ኣይከውንን’ዩ።

ርድኡኒ ደቀይ! ርድኡኒ ደቀይ!

Scene 445

ኣጆኪ ኣይትብከዪ! ተስኢ፣ ኮፍ በሊ። ብዙሕ ኣይትሻቐሊ። ሓፍትኺ ብሰላም


ክትገላገል’ያ።

ንሳስ ብሰላም ትገላገል! ዘብክየኒ ዘሎ ናተይ ኢዩ። ካብ’ዚ ጸገመይ መዓስ ክገላገል’የ?
ኣብ እንዳ ሓወ’ቦኺ ጃብር እንተትጸንሒ። ዘብዘብ እናበልኪ መጺእኪ። ስቕ በሊ
ኣይትብከዪ። (? ? ?)

ከምኡዶ መሲሉኒ! እንታይ ገይረዮ’ዩ ሓወ’ቦይ ኖራይ? ስቓይ ኮይኑኒ።

ኖራይ እንታይ ገይሩ? ኩሉ ብሰንኪ ኣቦኺ ኢዩ።

እንተኣብየ ኣቦይ ክቕትለኒ’ዩ። ግን ሞት ይሕሸኒ።

ረቢ ባዕሉ ከርህዎ ኢዩ። ኣይትብከዪ።

Scene 154

ምስ መሓዙትኪ ናይ መጽናዕቲ መደብ ነይሩኪ። ደንጒኺ፣ ቀልጥፊ።

ማማ፡ ኣነኸ ኣይድንጒን? ብሳብሪን ጥራይ ትግደሱ!

ንዓኺ ኣነ ባዕለይ ከብጽሓኪ’የ።

እንኪ 10 ናቕፋ። ምናልባት ከይትጠምዪ። ቀልጥፊ።

ኣነኸ ኣይጠምን? በቃ ንሳብሪን ጥራይ!

ባኒ ኣሎኪ እንዶ።

ምስ ሳብሪን ክትጠማመት ብቕንኢ ሞይታ።

ኣይትጠማመትያ። ቅንኢ ሕማቕ’ዩ። ዝደለኽዮ ንገብረልኪ ኣለና።

ኣበይ ክርድኣ ኢልካዮ!

Scene 154

ዓረብያይ መምጽኢት ሺሻይ፣ ዓረብያይ ቀላቢት ስድራይ፣ ዋዛ ኣይኮነትን ቁምነገር ጥራይ!

Scene 159
ተዳሊኺዶ ሳምያ ጓለይ?

ባዕለይ ዘይከይድ ማማ?

ጽርግያታት ከመይ ጌርኪ ክትሰግርዮ?

ዓብየ እንድየ። ሻድሻይ ክፍሊ ሙሽ በጺሔ?

እወ ዓቢኺ፣ ግን መኻይን በዚሔን ኣለዋ።

ድሓን፣ በቲ ዜብራ እሰግር።

ዜብራ ኣድጊ በረኻ እንድዩ? ኣድጊ በረኻ እንታይ ይሕግዘኪ?

ነቲ ጻዕዳን ጸሊምን መሰጋገሪ’ያ ትብለኪ ዘላ። ኣድጊ በረኻ እንድዩ ዝመስል።

ሳላ ደቅና ፈሊጥናዮ ኣለና። እዋዘ’የ ዘለኹ። ተመሃሮ ክረምታዊ ማእቶት ምሂሮምና


ኢዮም።

ኣየኖት ቁልዑ?

እቶም ስካውት፡ ክረምቲ ምስ ትራፊክ ዝሰርሑ ተመሃሮ።

ኣሃ?

እወ ንሶም። ንሳ ትሓይሽ ከባና።

ነዚ ዘይፈልጥ እንተዝነብር ቀደም ምተረገጽኩ። ኣውቲስታ ምዃነይ ኣይትረስዒ።

ብዜብራ እየ ዝሰግር። ሕጂ’ውን ባዕለይ ክሰግር እኽእል’የ።

ሻብዓይ ክፍሊ ምስ በጻሕኪ በይንኺ ትኸዲ። ሃብኒ እታ ቦርሳኺ።

ድሓን፣ ባዕለይ ክስከማ።

ግደፉዋ ባዕላ ትሰከማ። ሰላም ውዓሉ!

Scene 149

ድሓን ዲኻ መንሱር?
እንታይ ድሓን ኣሎ ምስ’ዞም ታዕባናት።

መን’ዮም ታዕባናት ትብሎም ዘለኻ?

ወነንቲ ጋራጃት ጸጊቦም። ከም ጊላታት ከስርሑኻ ይደልዩ።

ኣብ ትሕቲ ሰብ ዝሰርሕ ክጻወር ኣለዎ። ዘይሰርሔ ኣይሓልፈሉን’ዩ።

ኣነ በዚታት ኣይግዛእን’የ። ሓደ እንተሰጐጐኒ ኣብ ካልእ እቑጸር። ዘሕርቐኒ ዘሎ ካልእ’ዩ።

እንታይ ኢዩ ንሱ?

ሰሪሔ ክመልሰሎም ኢለ ተለቂሐ ነይረ። ሕጂ ተሰጒጐ። ከመይ ኢለ ክርኣዮም?

ሕጂ ከኣ ለቓሕ? ክንደይ ኢዩኸ?

150 ናቕፋ።

150 ጃሎን ማይ ኣስትያትካ? ድሓን፡ ናይ ዕቁበይ 100 ናቕፋ ክህበካ’የ። እተን 50 ከኣ ሰሪሔ
እህበክም በሎም። (? ? ?)

ኣሰኪፈኪ ማማ።

ስጋ ግዝእልና ኢልናኪ የብለይን ኢልክና። ሕጂ ካበይ ኣምጺእኪ?

ኣብ ዘረባ ዓበይቲ ኣይትእተዊ። ኣነ ሰሪሔ ክመልሰላ’የ። ኪዲ ርሓቕለይ! ኪዲ ኣጽንዒ።

Scene 264

ንሳብሪን እንታይ ከም ዘኾረያ ኣይፈለጥካን ‘መስለኒ።

እንታይ ኢዩ? ስለትንዕቁኒ ኣይትነግሩንን ኢኹም።

ኣቦኻን ሓወ’ቦኻ ኖራይን መርዓ ይብሉ ኣለዉ።

ጃማል ዓርከይ ንሳብሪን ኣይምርዓወሎምን’ዩ።

ብኸመይ?

ጀማል ንናድያ ጓል ኣቦይ ሳልም ኢዩ ክምርዖ።

ዓሻ እናበሉኻ ልዕሊ ኩሎም ክትከውን ኢኻ።

ጀማል ምስ ናድያ ንኸዕልል ኣነ’የ ድኳን ዝሕዘሉ።


ሓወ’ቦኻ ኖራይ እንተፈለጠኸ?

እንተፈሊጡ ንኽልቴና ይሰጐና። እንኪ እዚ ኣብ ድኳን ጀማል ሰሪሔ ዝተኸፈልኩዎ።

ረቢ ይሃብካ! ናይ ባኒ ኣይነበረናን ሎሚ።

ጀማል ድኳን ከጽንሓሉ ከለኹ ይህበኒ’ዩ። እዛ ሞባይል ግን ትውድኣለይ ኣላ።

ንዓና ዘይትህበና። ሞባይል ኣይብላዕ ኣይስተ!

ማማ፡ ነተን ኣዋልድ እባ …

በዛ ዓረብያ ኣቦኻ ዘይትሰርሕ? ብዙሕ ገንዘብ መእተኻ።

ፋራ ክተብልኒ። ኣዋልድ ክንዕቃኒ? ብፍላይ ከኣ ጀሚላ።

ስራሕ ክብሪ’ዩ። ስራሕ ኣይትንዓቕ። ሓወ’ቦኻ ኖራይ ሓሚሙ’ሎ፣ ብጽሓዮ።

እታ ነግራም ጓሉ ምስኡ ኣላ። ምእንቲ ጀማል ንሳ ምስ ከደት ክበጽሖ’የ። (? ? ?)

ቂመኛ ኣይትኹን መንሱር ወደይ።

በቲ ንሱ ዝብለኒ ክበጽሖ ኣይግባእን’ዩ።

ንምንታይ? ኖራይ ብዘይካ’ታ ዓንዴል መልሓሱ እንታይ ኣበር ኣለዎ?

ነታ መልሓሱ እንድየ ጸሊኤ። ሽመይ ‘ኮንቱ፡ ኩብላልያ፡ ትሩፍ’ ገይሩዎ ኣሎ።

ኣይፋልካን! ሓወ’ቦኻ መልሓሱ ገዲፍካ ጥዑይ’ዩ።

ካብ መልሓስ ዝገድድ እንታይ ኣሎ? መልሓስ ዓጽሚ የብላን፡ ግን ዓጽሚ ትሰብር። ሓወ’ቦይ
ሮመዳን ከኣ ደንጕዩ። ነቲ ዋና ጋራጅ ኣይነገሮን ማለት ድዩ?

ኣይትተሃወኽ። ስራሕ ተረካቢ ኣይኮነን።

Scene 232

ማማ ገዛ መዓስ ክንቅይር ኢና?

ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ ገዛ ከይተልዕሊ።

ባባየ ወደይ፡ እንዳ ኣቦይ ሳልም ምሽ ዓባይ ገዛ ኣላቶም?

ባባየ ወደይ ኣይትበሊ። ንሕና’ውን ዓባይ ገዛ ክትህልወና ኢያ።


መዓስ? ኩሉ ግዜ ተተዓሻሽዉኒ።

ትምህርተይ ምስ ወዳእኩ ሙሽ ኢለኪ። (? ? ?)

ጽቡቕና ትምነዪ ሳብሪን ጓለይ ዕድመን ጥዕናን ይሃብኪ!

ክሳብ ንስኺ ትምህርቲ ትውድኢ ክንጽበ?

እንዳ ሳልም’ውን ናድያ ጓሎም ምስ ወድኤት’ዩ ሓሊፉሎም።

ንእንዳ ሳልም ድሃዮም ኣይገበርናን።

ናድያን ኣዴኣን እንዳ ሓወ’ቦይ ኖራይ ከይደን ነይረን።

ክበጽሕኦ ከይደን’ምበኣር።

ናበይ ነቒልኩም?

ንመስጊድ፣ ክሰግድ።

ሕራይ።

እወ።

Scene 277

ተረዲኡኪ? እስከ ሕጂ ባዕልኺ ስርሕያ።

ኣሃ?

ጌጋ! ጸወታ ተብዝሒ ኣለኺ። ኣጽንዒ እንዶ ኣይበልኩኺን።

እሞ ኣነ ኣየጽናዕኩን ድየ? ርኣዪ። ኤክስ ዝበሃል የብለይን።

መርመራ ቀሪቡ ስለዘሎ ኣጽንዒ።

ማማ ናበይ ከይዳ? ንግሆ ምስ ወጽኤት ኣይተመልሰትን።

ንሓወ’ቦይ ኖራይ ክበጽሕኦ ከይደን።

ድሓን! ኩሉ ግዜ ሓዲጋትኒ ትኸይድ?

ንስኺ ንእሽቶ ኢኺ። ኩሉ ዓበይቲ ዝገብሩዎ ኣይትግበሪ።

ንኖሪት ሓፍተይ ናፊቐያ። ጠኒሳ ከኣ ኢሎማ። ማማይ ክተምጽኣልና ኢያ።


ወረኛ ኣይትኹኒ። ኣመት መጽናዕትኺ ግበሪ።

Scene 78

ሰላም እንዳ ኣዳላ!

መርሓባ ኣቦይ መርኬ! (? ? ?) መርከ

ከመይ ኣለኹም?

ጽቡቕ ኣለና። ንቐደም!

ክብረት ይሃብካ፣ ክቡር ወዲ ክቡራት!

ሓማትኩም ትፈትወኩም’ያ። ምሳሕ ኣብ ርእሳ ኣርኪብኩማ።

ማሽአላህ! ብሩኽ ዝኾነ ሰብ’ዩ ኣብ ምሳሕ ዘርክብ።

ቅድም ክንምሳሕዶ ቡን ክንገብር?

መጀመርታ ምሳሕ። ቡን ድሕሪ ምሳሕ፣ መሕቀቒ ትኾነና።

ሕራይ! ኣቦይ መርኬ መጀመርታ ምሳሕ ኢሉ። (? ? ?)

መርሓባ!

ማማ፡ ኣነ’ውን ምስኦም ክምሳሕ?

ሕራይ፡ ኢዶም ኣሕጽብዮም።

ዓዲ ከመይ ኣሎ ኣቦይ መርኬ? (? ? ?)

ጽቡቕ ኣሎ። ብኣኹምከ?

ኢድካ ተሓጸብ።

መርሓባ! ዕድመ ይሃብኪ’ዛ ጓለይ! ንኣቦኺ ኣሕጽብዮ።

ንኣቦይ መርኬ ኢለ በርበረ ኣየብዛሕኩላን።

ይባርኽኪ እዛ ጓለይ! ኩሉ ግዜ ኢኺ ትከናኸንኒ።

ኣቦ፡ ኣነ’ውን ምሳኹም ክምሳሕ?

ጽቡቕ ጌርኪ። ሕጂ ምሳና ተመስሒ። ድሓር ከኣ ምስ ኣሓትኪ ትምስሒ።


ኣይፋሉን! ቈልዓ ንበይኑ እንተበልዐ ይሓይሽ። ንሕና ክንውድኣልኪ ኢና። ምስ ኣዴኺ
ይሕሸኪ።

ንብላዕ በሉ ኣቦይ መርኬ። (? ? ?)

እወ! እወ! ንብላዕ።

ማማ፡ እዚ እንታይ ጸብሑ ኢዩ? እቲ ኣቦይ ጃብር ዘምጸኦ ወጠጦ ኣበይ ኣሎ?

ንሱስ ካልእ ቡኮ ዓጺናሉ ኢና።

ሕጂ ኢኻ ደም ዝበላዕካ መርኬ! መንጎ-መንጎ ተሪፈ። (እሊ እብ ልቡ ለልብሉ ቱ። ከናፍሩ


እግል ልትሐረክ አለቡ) (? ? ?)

ባባ፡ ቡኮ ቀዳድ ማለት እንድዩ?

እወ።

ወጠጦ ድኣ’ሞ ከመይ ገይሩ ቡኮ ይዓጹ?

ነቲ ወጠጦ ሼጥና ጥራውዝትኽን ገዚእና።

ሕማቕ ጌርካ። ንቈልዓ ኣርኢኻ ኣይትኽላእ። ቡኮታት ረቢ ባዕሉ ኣለዎ። ቈልዓ ስጋን ጸባን
እንተዘይበሊዑ ኣብ ትምህርቲ ይሓምቕ’ዩ ይብሉ ሊቃውንቲ። (? ? ?) እንተዘይረኺቡ

ኣሃ! ንብላዕ በሉ።

Scene 165

መኪና ኖራይ ኣብ ዓድና ድያ ትሰርሕ ዘላ?

ኣረጊት መኪና ኢዩ ገዚኡ። ቁሩብ ሰራሪሓ ደው ኢላ።

ኣኽሲራቶ።

ኣፈቲሹ ዘይገዝእ ነበረ። ኖራይ ክንዲ ገለ ድካን ሒዙ ንሰብ ኣይሕግዝን’ዩ።

ማሽአላሕ በል።

ኣነ ቡዳ ድየ? ኖራይ ዓብን ለባምን ኢዩ።

ከምኡ ኢዩ፣ የግዳስ ዝሕግዞ ስኢኑ።

ጀማል ወዱ ማሽአላህ ለባም ኢዩ። ግና ሓንቲ ኣበር ኣላቶ ኢሎሞ።


ኣሃ?

ደድሕሪ ኣዋልድ’ዩ ዝኸይድ ኢሎሞ። ጓልኩም ካብ ሃብኩሞ ቀልጢፍኩም ኣመርዕውዎ።

ጀማል ወደይ ለባም ኢዩ።

ስቕ ኣይትበሊ ራየት። ኖራይ ፍቕርኹም ደልዩ’ዩ ጓልኩም ሓቲቱ። ጀማል ጓና ከእቱ፡


ጓልኩም ክወስዳ ጽቡቕ ኣይኮነን። (? ? ?)

ሂብናዮ ኣለና። ብሎሚ ዓመት፡ ትምህርቲ ምስ ወድኤት ከነመርዕዋ ኢና።

ትምህርቲ ጓል ንመን ጠቐመ? ርኹባት ስድራ ኢዮም፣ ሃቡዎም።

ኣቦይ መርከ፡ ይኣክል! (? ? ?) መርከ

ተጋግየ ድየ? ጽቡቕኩም ደልየ እንድኣለይ። መውስቦ መቕርብ ንዝምድና የደልድል’ዩ።

እንሻእ ኣላህ! (? ? ?) እንሻኣላህ

ኩሉ ከከም ግዜኡ ኢዩ ኣቦይ መርከ። (? ? ?) መርከ

ከከም ግዜኡ ኣይትበሊ። ጽባሕ ሓደ ጓና ሒዛ እንተመጺኣ እንታይ ክትብሊ ኢኺ?

Scene 285

ከመይ ገይሩ ይጥምተኒ ኣሎ?

ብዘይካና ካልእ ቦታ ኣይረኸበን?

ኣቦኻ ኣልሚዱዎ። ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ይኣኻኽብ።

ለምሊምናሉ! ብዙሕ ምልምላም ጽቡቕ ኣይኮነን። ዓርኪ ሓወ’ቦይ ኖራይ ኢዩ።


የበጻጽሓሉ ከኣ’ዩ።

ያእ!

ኣብሪቕ ኣብ’ዚ ኣላ።

ተካል መዓልቲ ኢና ውዒልና። መግቢ ሃቡና።

ኣይትተሃወኽ! ነዳልወልካ ኣለና።


ረሲዔልኩም’ባ፣ ድሕሪ መግቢ ጸባ ሃቡኒ። ጸባ ጽቡቕ’ዩ ዘደቅስ። ጨው ከኣ ኣይተብዝሑ፣
ብሩኻት እንድኹም! ትማሊ ጨው ኣብዚሖምለይ ተካል ለይቲ ሓዲረ። ደቂ ኣስመራ ጋሻ
ኣይፈትዉን ኢዮም።

መንሱር ንኣቦሓጎኻ ኣሕጽቦ።

ሕራይ።

ንቈልዑ ንበይኖም ቀርብሎም፣ ከይንውድኣሎም።

ኣይትሸገሩ፣ ቈልዑ በሊዖም ኢዮም።

ጽቡቕ ኣተዓባብያ ቈልዑ። ትማሊ ምስ ሓንቲ ስድራ ሓዲረ። ምስ ዕስለ ቈልዑ


ቀሪቦምኒ። ሓንቲ ኩላሶ ከየልዓልኩ ወዲኦማ።

ምስ ቈልዓ ንዘይበልዕ ሰይጣን ይሕወሶ’ዩ። (? ? ?)

ነውሪ! ነውሪ! ኣነ ጋሻ ከለኹ ኣብ ክንድኦም ሓፊረ። መርዓኻ የርእየኒ!

Scene 78

ምሳሕ እንዳ ኣዳላ ከየረጋገጽኩ ምሳሕ ሳልም ተሓሲመ። እቲ ወጠጦ ኣብ መእሰሪኡ የለን።
ተሓሪዱ ኢዩ ዝኸውን። ፍሪጅ ስለዘይብሎም ብዙሕ ስጋ ኣብሲሎም ይኾኑ። ሰላም እንዳ
ኣዳላ!

Scene 163

ሳብሪን!

ኣቤት ኣደ!

ንዕነ ሓግዛኒ፣ ቀልጥፋ።

እዚ ርጉም ቈልዓ ቀሺሹኒ ከይከውን። 3000 ኣይመስልን። እስከ ክቘጽሮ።

ደንጕየኩምዶ ኣቦይ መርከ? (? ? ?) መርከ

ኣይደንጐኺን። እንኪ እዚ ሒላብኪ። ሒላብ ኣስመራ ካብ ሓጺን። (? ? ?)

ውሒዱኩም ድዩ ኣቦይ መርኬ? (? ? ?)


እኹል’ዩ። ጸጊበ።

ኣቦይ መርከ! (? ? ?)

ኣሃ?

ገንዘብ ወዲቑኩም ኣሎ።

ኣ! ገንዘብ ሓደራ ኢዩ። ንኻልእ ስለዘይኣምኑ ልኢኾምኒ። ካልእ ዝወደቐ ከይህሉ ርኣዪ።
ድሓን ሕደሩ!

ዶብ ዘይብሉ ስስዐ!

Scene 18

እዛ ደብዳበ ካብ ቤት-ትምህርቲ ሳብሪን’ያ መጺኣትኩም።

መጸዋዕታ ኢያ። ኣኼባ ወለዲ ኣሎ ትብል ኣላ።

ኣኼባ ጽቡቕ ኢዩ። ጓልና ንፍዕቲ ስለዝኾነት ክንእከብ ኣለና።

ኣነ ደድሕሪ እንጌራ እጓየ ኣለኹ። ንስኺ ኪዲ።

ኣቦ የብላን ድያ ከይብሉዋ’ምበር ኣነ ድኣ እኸይድ።

ጽቡቕ ጌርኪ። ደኺመ ኣለኹ።

ኣቦ፣ ኣነ ዘይከይድ?

ንስኻ ንወለድኻ ዘየሐጐስካስ ኣብ ኣኼባታት ክትሳተፍ!? ኣይከውንን ኢዩ።

በዚሕናኩም? ኩሉ ግዜ ኢኹም ትንዕቁኒ። ገዛኹም ዘይገድፈልኩም። (? ? ?)

ኣነ ጓሉ! ነዚ ቈልዓ ድሂልኩሞ። እናንዓቕኩሞ ከመይ ገይሩ ክዕረ ትደልዩዎ ኣለኹም?

ግደፍዮ ይኺድ።

Scene 59

ኣደ ኣምና?
ኣሆይ! (? ? ?) ኣቤት

ሎሚ ኣጋይሽ ክመጽኡና ኢዮም።

ኣሃ?

ኖራይን ጃብርን ሮመዳንን ይመጽኡና ኣለዉ። ኖራይ ደልየኩም ኣለኹ ካብ ዝብል ሰሙን
ኣሕሊፉ ኣሎ።

ንምንታይ ከምዝደለየኩም ኣይነገረኩምን ድዩ?

ኣይነገረኒን። ኖራይ ኩሉ ነገሩ ብምስጢር ኢዩ ዝሕዞ።

ገለ ሓሲቡ ኣሎ። እንድዒ! ገለ ኣየተንብሃልኩምን?

ኣየተንብሃለይን። ኖራይ ኣነ ዝበልኩዋ ትኹን ኢዩ ዝብል።

ከምኡ እናበለ እንድዩ ንኖሪት ጓለይ ብሓይሊ ንወዱ ኣመርዕይዋ። እነሀትልካ ኣብ ገዛ


ተደርብያ ኣላ።

ረቢ ዝሓሰቦ ኢዩ ክኸውን።

Scene 31

መዓልኩም ሰብ-ቤት!

መርሓባ! ከመይ ውዒልኩም?

እተዉ!

ሰላማት ኖራይ!

እተዉ።

መርሓባ ጃብር!

መርሓባ!

ከመይ ኣለኹም?

ኣልሓምዱሊላህ!

ስድራ ኩሉም ከመይ ኣለዉ?


ኣኽባር? ጊንዳዕ ንንየው ገጻ ርሒቓ ድያ? እንታይ ድኣ ደንጒኻ?

ደንጕየዶ? ንደቀምሓረ ትኸይድ መኪና ስለዝረኸብኩ ብነፋሲት ንደቀምሓረ ሓሊፈ። ነቲ


ወደይ ክርኢ ኢለ።

ብንየው!?

እወ።

ገዛ እተው።

ድሓን፣ ኣጋይሽ መዓስ ኰንና። ሙራድ ክሳብ ሕጂ ኣብ ደቀምሓረ ኣሎ? ኣብ ምንታይከ


ኣሎ?

ኣብቲ ቤ/ጽ ክፍለ-ሰራዊት ደሞዝ ይኸፍል።

እዚ ምትሕውዋስ ቋንቋ ኣባኻትኩም እውን ኣሎ? ብትግረ “ክፈል ዴሽ” ዘይትብል።

ሓዋዊሰዮዶ? እቶም ቈልዑ ይሓዋውስዎ፡ ንሕና ከኣ ደድሕሪኦም ንደግሞ።

ፋይናንስ ጽቡቕ ስራሕ ኢዩ።

ስምዓዮ በል! ካብ’ቲ ናተይ ናቱ ይገድድ። “ፋይናንስ” እንታይ ማለት ኢዩ?

ፋይናንስ ነቲ ሰራዊት ገንዘብ ዝኸፍል ኢዩ።

ነዚ ኩሉ ሰራዊት ገንዘብ እናኸፈለ ድዩ ከኣ ናይ ኣውቶቡስ ዘይደርበየለይ?

ነፍሲ-ወከፍ ሳንቲም ዋና ዘለዋ ኢያ።

ዋዛ ኢዩ’ምበር ሓቅኻ።

እተዉ!

Scene 33

እዚ ካንሸሎኹም ብዘይካኽም ሰብ ኣሎዎዶ?

ብዙሓት ስካቡሊታት ኣለዉ። ምሸት እዮም ዝኣትዉ።

ስካቡሊታት እንታይ ማለት ኢዩ?

ስካቡሊ ንበይኑ ዝነብር ማለት ኢዩ።


ብትግረ “ወራዚት” ኢዮም ዝብሃሉ። ክሳብ ዝምርዓዉ ንምንታይ ምስ ስድርኦም ዘይነብሩ?
ንምንታይ ገዛ ይካረዩ?

ስካቡሊታት ንጽል ማለት ኣይኮኑን። ብስራሕ ካብ ስድርኦም ተፈልዮም ኢዮም ዝነብሩ።


(? ? ?)

ቡን ቀሪባዶ? ኣብ ጉዳይና ክንኣቱ።

ቡን ተሰትያ ኣላ። ምሳሕ’ውን ተዳልዩ ስለዘሎ ጉዳይና ድሕሪ ምሳሕ ይኹነልና።

ምሳሕ ድሕሪ ጉዳይና ይኹነልና።

ኢልኩም?

ንሮመዳን ዘይንጽበዮ? ንሱ’ውን ሓውናን መማኽርትናን እንድዩ።

ሮመዳን እንተ’ርከበ ጽቡቕ፣ እንተዘየርከበ ድማ ንሕና ንኣክል ኢና።

ሮመዳን እንተዝምጽእ ጽቡቕ ነይሩ። ሓውናን መማኽርትናን ኢዩ።

ስቕ በል! ሮመዳን ይምጻእ ኣይምጻእ ብዘየገድስ ኣብ ጉዳይና ንእቶ።

Scene 34A (እት ግራለ አጀኒት ቃኘው ትትርኤ ህሌት ከፎ ትርእዋ?)

ሰላማት!

መርሓባ!

ሓወቦይ ጃብር!

መርሓባ መንሱር! ጎቢዝካ። እንታይ ድኣ ዓሪቕካ?

ቻው ሓወቦይ ጃብር።

ኣዳላ ወድኻ ርኢኻዮዶ? ንጃብር ጥራይ ስዒሙ ንዓይ ከይሰዓመኒ።

መንሱር ወደይ ኩሉ ግዜ ኢዩ ኢደይ ዝስዕም። ትቋየቝዎ ከይትህልዉ።

ቈይቊ ድኣ ኩሉ ግዜ ኢና ንቋየቖ። ሕጂ ግን ንሕና’ውን ንፈርሖ ኣሎና።

ኣይፋልኩምን! ኣቀባጥሩሉ። መንሱር ጽባሕ ንግሆ ዝለበመ ሰብ ክኸውን’ዩ።

ጸላኢና ለባሙ መንሱር ይኹን! ጉብዝና ግን እወ ጎቢዙ።


ተካል ትርኢቱ! ክዳኑ እንታይ ይመስል ርኢኹሞ?

ንሱስ እወ ርኢናዮ።

ኣብ ኣእዛኑ ገለ ወቲፉ እንተተዛረብካዮ ኣይሰምዓካን’ዩ። ንበይኑ ይስዕስዕ። ረቢ ጥራይ ናብ


ጽቡቕ ይምለሶ።

ቈልዓ ተበላሽዩ። ኣብ ቀቢላና ከም’ዚ ብልሹው ቈልዓ የብልናን። ንኺድ ጥራይ።

ረቢ ናብ ጥዑይ መንገዲ ይምለሶ!

Scene 36

እዚ ጉዳይ’ዚ ሮመዳን ኣብ ዘይብሉ ኣይከውንን ኢዩ። ንዓኻትኩምን ንዕኡን ባዕለይ ከም


ኣሕዋት እየ ኣዕብየኩም። ኣብ ምምሕዳር’ውን ኣሎ። መዓልቲ ንቐይር። (? ? ?)

ሮመዳን ወዲ ሓወቦ ምዃኑ ኣይተርፎን’ዩ። ቅድም ንሕና እቶም ኣሕዋት ንወሓሓጥ።


ኣድላዪ እንተኾይኑ ድሓር ንጽውዖ። ንሱ ሕግታት መንግስቲ ንሕና ሕታት ኣቦታትነ ክንብል
ኣይክንሰማመዕን ኢና። (? ? ?)

ቃለይ ሓንቲ ኢያ። ሮመዳን ዘይብሉ ጉዳይ ኣይሕወሶን እየ።

ሃለው! መርሓባ! ኣሃ? መኪና? ንዓዲ ትኸይድ መኪና? መዓስ? ሕጂ? ሕጂ፣ ሕጂ? ሓውኻ
ተዓዊቱ ኣይትብለኒን!

ፍርቂ ሰዓት ተጸበየኒ በሎ።

ፍርቂ ሰዓት ክጽበየኒ ይኽእልዶ? ኣሃ? ተሃዊኹ ኣሎ? ሕራይ፣ ሕራይ! ኣነ ሕጂ ንዓዲ
ትኸይድ መኪና ረኺበ ኣለኹ። ጉዳይና ካልእ መዓልቲ ንግበሮ።

ሎሚ ሓዲርካ ጽባሕ ዘይትኸይድ?

ኖራይ፣ ከም’ዚ ጃብር ዝብሎ ዘሎ ዘይንገብር? ጃብር፣ ከም’ዚ ኖራይ ዝብሎ ዘሎ


ዘይንገብር? (? ? ?)

ድሕሪ ሳልስቲ ንዕዳጋ ጥሪት ክብል ክመጽእ እየ። ሽዑ ሮመዳን ኣብ ዘለዎ ጉዳይና ንገብር።
ኣነ ሕጂ ክኸይድ ኣፍቅዱለይ።

ሰላም ምሳኻ ትኹን!


Scene 70

ብዘይ ሃገር፡ ብዘይ መሬት ኣይንበርን’ዩ። ብዘይ ምይይጥ፡ ብዘይ ምኽሪ ኣይንበርን’ዩ
ከምዘይተባህለ ሰብኡት ጸጊቦም።

ሰላም ዓሌኩም እንዳ ኣዳላ!

መርሓባ ጃብር!

መርሓባ!

መርሓባ!

መርሓባ ራየት! ከመይ ሓዲርኩም?

መርሓባ!

ሰላምዶ ኣለኹም?

በዚ ኮፍ በል።

ተሃዊኸ ኣለኹ። ኮፍ ኣይብልን’የ።

ሓውኻ ምሳኻ ኣይመጽኤን ድዩ? ቡን ሰቲኻ ትኸይድ።

ሓወይ ምስ ሓዉ ኣዋልድ ይወሃሃቡ ኣለዉ።

እንዳ ኖራይ ጓል ዝኸልኡ መዓስ ኮይኖም? ጓል መን ኢዮም ደልዮም?

ትወሃብ ዘላ ሳብሪን ጓልኪ ኢያ።

ኣ!?

ዝወስዳ ዘሎ ከኣ ጀማል ወዲ ኖራይ ኢዩ።

እዛ ሳብሪን ጓለይ?

እወ!

እሞ ንስኻ ባሪኽካሎም?

ኣነ ኣይባረኽኩ ኣይመረቕኩ።

ለባም እንዲኻ፣ ጽቡቕ ጌርካ። ጓለይ ዕድመ መርዓ ኣይበጽሐትን።

ጀማል ጓል ዝኽላእ ወዲ ኣይኮነን። ጓልኪ’ውን ሓዳስ ጎርዞ ኢያ። ግና …


“ግና …” እንታይ ማለትካ ኢዩ። ንወደይ ደልየያ ዲኻ ክትብል ደሊኻ?

ንወደይ’ውን ምደለኹዋ። ኣዳላ ሓወይ ስለዝኸልኣኒ ገዲፈያ’ምበር። ዘይባረኽኩሎም ግን


ምእንቲ ወድኺ ክብል እየ።

ኣየናይ ወደይ?

እዚ ግዳም ሓደር ኮይኑ ዘሎ ወድኺ።

ዘረባኻ ይርድኣኒ የለን።

ወድኺ ሰበይቲ ብበደላ ሓፍቱ እንተዘይረኺቡ መን ጓሉ ክህቦ ይኽእል? ኖራይ ንሳብሪን


እንተደልዩ ንመንሱራ ጓሉ ንመንሱር ይሃበና። እንተዘየለ ሳብሪን ኣይትወሃቦን’ያ።

እሞ እዚ ሓሳብ`ዚ ንኣሕዋትካ ኣካፊልካዮም ዲኻ?

እዚ ንዓኹም ንእንዳ ኣዳላ ዝምልከት ኢዩ። ቻው!

Scene 72

ኣደ!

ኣሃ?

ኣነ ብሂወት ከለኹ ሳብሪን ሓፍተይ ኣይትሽየጥን’ያ። ሓወ’ቦይ ኖራይ ከም ዊንትኡ የሕጽን


የመርዑን ኣሎ?

ሓወ’ቦኻ ኖራይ ቅድሚ ሕጂ ንኖሪት ብሓይሊ’ዩ ንወዱ ኣመርዕዩዋ። ሕጂ ከኣ ሳብሪን


ክወስድ ይደሊ ኣሎ።

ካልኦት ኣዋልድ ስኢኑ ድዩ? ንኖሪት ጽቡቕ ዘየናበሩስ ሕጂ ከኣ ንሳብሪን!

ኖሪት ትሕቲ ዕድመ እንድያ። ሰብኣያ ቈልዓ ጽዒኑዋ ከይዱ።

እንታይ ማለት’ዩ ቈልዓ ጽዒኑዋ?

ነብሰ-ጾር ኢያ ዘላ።

ኣጥኒሱዋ ዘይትብልኒ! ወይ’ዚ ድሁል! ምስኪነይቲ ኖሪት ሓፍተይ!

እዚ ኩሉ ብሰንኪ ኣቦኻ ኢዩ። ኖራይ ብዝበሎ ኢዩ ይምራሕ።

ንሓወ’ቦይ ጃብር ከሊኡ ሕጂ ንምንታይ ንሓወ’ቦይ ኖራይ ይህቦ?


ካብ ጃብር ኖራይ ይቐርበኒ ግዲ ኢሉ ኮይኑ።

ሳብሪን ንመርዓ ኢላ ትምህርታ ከምዘይተቋርጽ እመኒ።

ናበይ ኢኻ? ተመሲሕካ ትኸይድ።

ከመይ ኢለ ክምሳሕ? መመሊሱ ካልእ ሽግር ይፈጥር!

Scene 34B

ሰልማ ሓፍተይ!

መንሱራይ!

ሃቢ እታ ሪሞት።

ፊልም ይሓልፈኒ ኣሎ መንሱር።

ተኣለዪ እስከ!

በጃኻ መንሱር ፊልም ይሓልፈኒ ኣሎ።

ኪዲ ተኣለዪ!

በጃኻ ሃበኒ። ባባ!…

ድሓን ዲኹም? እንታይ ረኺቡኩም? እንታይ ገይራትካ እዛ ቈልዓ? ትሩፍ! ኩሉ ግዜ ስራሕ


ድኹማት ክትሰርሕ! ድርባይ! (ምቅንቃሽ ትረሰዐት)

እንታይ ገይሩኩም እዚ ቈልዓ?

እንታይከ ዘይገበረ? ነዛ ገዛ ረቢሽዋ።

መንሱር ከምኡ ኣይገብርን’ዩ። ብሰንኪ እዛ ነግራም ጓልኩም ኢዩ። ተካል ገጻ!


መበጻጽሒት።

ገዛኹም ንገድፈልኩም!

ኪድ ጥፋእ። ስቕ በሊ እዛ ጓለይ።

Scene 81
ንምንታይ ኩሉ በይንኹም ትውድኡዎ? ከም ወላዲት ኣብ ሕጸ ጓለይ ኣይሕተትን?

መን ምኽሪ ከሊኡኪ? ኣብ ትብጻሕኩም’ምበር ኣብ ሕጸ ኣይበጽሓኩን።

ድሕሪ ትብጻሕኩም ሕጸ እንታይ ተሪፉዎ? ንስኹምን ሓውኹምን በይንኹም ወድእኩሞ።

ይኣኽለኪ ኣቲ ሰበይቲ! ናይ ጃብር ይኣኽለኒ።

ጃብር ጽቡቕ ኣሎ። ንጃብር ጓለይ ንእሽቶ ኢያ ኢልኩም ከሊእኩሞ። ሕጂ ድኣ እንታይ


እዋና ጎቢዛ? ግርምቢጥ ኢዩ’ዚ።

ጓለይ ኢያ፣ ሂበዮም ከኣ ኣለኹ።

እምብኣር ንሕና’ውን ቅድመ-ኩነት ኣለና።

እንታይ`ዩ ቅድመ-ኩነትኪ?

መባድልቲ ሳብሪን መንሱራ ጓሎም ንመንሱር ወድና ይሃቡና።

መንሱራ ነዚ ትሩፍ ወድኺ ከመይ ኢሎም ይህቡና። መንሱራ ኩሉ ዝምነያ ኢያ። ወድኺ
ከኣ ኣቦኡን ኣዴኡን ዝቐበዎ ጥፉእ ኢዩ።

ሓወ’ቦኡ ከም መባድልቲ ሓፍቱ እንተዘይተቐቢሉዎ መን ክእክቦ ኢዩ? ከምኡ ድዩ ኣይኮነን?

ንሱ ድኣ ሓቅኺ። ግና …

“ግን” ኣይትበሉ። ወድና እዚ ዕድል’ዚ እንተሓሊፉዎ ኣኺሉዎ ኢዩ። ጓል እንተረኸበኸ


በየናይ ገንዘብ ይምርዓዋ? እዚ ሓሳብ ንሓውኹም ኖራይ ንገሩዎ።

ስቕ በሊ። ኣጸሊልክኒ። ገዛኺ ገዲፈልኪ ኣለኹ።

Scene 82

ኣደ፣ ኣደ፣ ኣይጥዓኺን ዲኺ?

መጺእካ መንሱር ወደይ? ርእሰይ የሕምመኒ ኣሎ።

ኣነ ሰብኣይ ኣይኮንኩን ድየ? ኣብ ሕጸ ሓፍተይ ኣይሕተትን። እዚ ኩሉ ዝገብር ዘሎ ሓወ’ቦይ


ኖራይ ኢዩ።

ሓወ’ቦኻ ኖራይ ሕማቑን ጽቡቑን ማዕረ ኢዩ። በዚ ይሃንጽ፡ በቲ ከኣ የፍርስ።

ንምንታይ’ዩ ኩሉ ግዜ ዝንዕቀኒ?
በዚ ኣይትሻቐል። “ሕሱር የሕስረካ መጠን ነብሱ፣ ክቡር የኽብረካ መጠን ነብሱ” ኢዩ ነገሩ።

ንሳብሪን ሓፍተይ እንተወሲዶማ ኣነ ኣይኮንኩን።

በጃኻ ነገር ኣይተምጽኣልና። ኣዲኡ መኺራቶ ክብሉና ኢዮም።

ኣነ ብዘረባ ኣንስቲ እምራሕ? ሓንጎል የብለይን ድየ? ኣብ ርእሲ ሕማምኪ ሕማም ኮይነኪ!
ሓወቦይ ኖራይ ግን ክርእየኒ ኢዩ።

Scene 29A

ሳሙ! ከመይ ውዒልኪ?

ብሽክሌታኺኸ?

ኣብ እንዳ ሽክሊስታ ገዲፈያ።

Scene 11

ባባ፣ ሓወቦይ ኖራይ ይድውል ኣሎ።

ሃብኒ።

ሃለው ኖራይ! ከመይ ኣለኻ? ንሕና ብጽቡቕ በጺሕና። ክንድውለልኩም እናበልና። ክመጽእ
ኢልካ? መርሓባ! እጽበየካ ኣለኹ። ቻው!

ኖሪት ጓለይ፣ ሙኒር ይድውለልኪዶ?

ደዊሉለይ ኣይፈልጥን። ናብ ኣቦኡ’ዩ ዝድውል።

ባዕልና ኢና ወጺዕናኪ። መርዓ ብግዲ እዚ ኢዩ ትርፉ። ኣይትሸገሪ፣ ክንመጽኣኪ ኢና።


ንስኺ’ውን መኢእኪ ምሳና ትቕንዪ።

ንስኻትኩም ምጽኡኒ። ሓወ’ቦይ ኖራይ ኣየፍቅደለይን’ዩ ንዓይ።

ኖራይ ይመጽእ ኣሎ። ጽቡቕ ጌርና ክነአንግዶ።

ዓሽ! ቸኮላታ ከምጽኣለይ ኢዩ።

ብቸኮላታ ክትጽለል ኢያ።

እንታይ መጺኡዋ ትጽለል! ስለዘሐንቅቓ እንደኣላ።


ንኖራይ ሓፊረዮ እየ’ምበር ሽኮራዊ መግብታት ስሚ ኣስናን ኢዩ።

ኮራርምታ ቦዅቢዂ። ጀማል’ውን ኩሉ ግዜ ኢዩ ዝህባ።

ኣስናና ብነብሱ ኢዩ ቦዅቢኹ። ኖራይ ድኣ ደሓን ድዩ ሕጂ ዝመጽእ?

ምሳና ከማሲ ደልዩ።

ጽቡቕ፣ ጽቡቕ!

ንሓወ’ቦይ ኖራይ ድራር እንታይ ክንገብረሉ ኢና?

ዓደስ ኣሎ እንዶ? ካውሎ ከኣ ንጋስትራይት ጽቡቕ ኢዩ። ካውሎ ግበራሉ።

ንሓወ’ቦይ ኖራይ ዓደስን ካውሎን ኣይንገብረሉን ኢና። ንሱ ስጋ እንድዩ ኣምሲሑና።

ሓቃ ኢያ ሳብሪን ጓለይ። ንኖራይ ሓወይ ብዓደስ ኣይንቐበሎን ኢና። እቲ ጃብር


ዘምጽኣልኩም ወጠጦ እንታይ ይጽበ ኣሎ?

ዓደስ ጋስትራይት ከለዓዕለሉ ኢዩ። ስጋ ዘይንገዝኣሉ?

ብዛዕባ ጋስትራይት እንታይ ኣፍሊጡኪ?

ሓቃ ኢያ! ንኖራይ ብዓደስ ኣይንቕበሎን። ይብልዓዮ ኣይብልዓዮ ስጋ ንስርሓሉ።

ኣነ ሳንቲም ቀያሕ የብለይን። እንተ`ለክን ረቢ ይሓግዝክን!

ዋላ ሓምሳ ናቕፋ የብልካን? ኩሉ ግዜ የብለይን ጥራይ ትብል።

ሓምሳ የብለይ፡ ሓሙሽተ የብለይ። ዝነበረኒ ኩሉ ንዓኺ ከፊለዮ። (? ? ?)

ንዓይ እንታይ ጌርካለይ? እተን ሓወ’ቦይ ኖራይ ዝሃበኒ’ውን ሂበካ እንድየ።

ንትምህርትኺ ከፊሉዎ። ብገንዘብ ከም ትመሃሪ ረስዕኪዮ።

እሞ ገንዘብ እንተ ይብልኩም እንቋቝሖ ዘይንገዝኣሉ?

እንቋቝሖ ብዘይ ገንዘብ ድዩ ዝርከብ? ጥቕምኺ መቼም ኣይጠፍኣኪን ኢዩ።

ኣይትባልዑ፣ ንዕቁብ ዝሓዝኩወን ገንዘብ ኣለዋ። ካብኣተን ግዝኡሉ።

ዓሽ ማማ! ሓወቦይ ኖራይ ኩሉ ግዜ እንተዝመጽእ።

ስስዕቲ! ብዘይካ ብከብድኺ ካልእ ኣይትሓስብን?

ኣነ ደኺመ ኣለኹ። ናብ እንዳ ስጋ ዝልኣኽ ሰብ እንተለክን ረቢ ይሓግዝክን!


ኣነ ባዕለይ ክኸይድ እየ።

ኣብ’ቲ ኣለኪ እቲ ገንዘብ።

ኣብ’ቲ ተመዛዚ ኣለኪ። ጽቡቅ ጌርኪ እዛ ጓለይ።

No Scene Number አዳለ እብ ሰለስ እግረ ዐጀለቱ እት ገይስ

Scene 125 (ህግየ አለበ)

Scene 151

መንሱር ኢዩ። ኣበይ ኣለኻ መንሱር?

ሄሎ ሜሮን!

ሕጅስ ገንዘብ ረኺብካ ትኸውን!

ቅድሚ ሰላምታ ብዛኦባ ገንዘብ ትሓትት?! ስሱዕ! ሕጂ ኣበይ ኣለኹም?

ኣበይ ኣለኹም ይብል ኣሎ።

ገንዘብ እንተዘይብሉ ቦታና ኣይትንገሮ።

ኣለካዶ የብልካን? ጠሚና ኣሎና።

ማዙ ቸንቶ መዊላትኒ ኣላ።

ቸንቶ! ቸንቶ!

ዓሽ! ምጻእ በሎ።

እዚ’ዩ ናይ ወዲ ሹቕ ዘረባ! ኣብ’ታ ፋታ ንበልዓላ ቦታ ኣለና። ቀልጢፍካ ምጻእ።

መጻእኩ።

Scene 12C

እታ ቸንቶ ምሳኻ ሓዛ። ሓንቲ ሑርማ ከርእየካ እየ።


ሕራይ! እዚ ጉማማ ሰብኣይ ሽጋራ ወሊዕኩም ክብለና ኢዩ። ንስኻትኩም ሕለፉ፣ ኣነ ሕሳብ
ከፊለ ከርክበኩም’የ።

ላላእ! እታ ቸንቶ ምሳኻ ሓዛ። ምሸት ሓራሙ ክንድውረላ ኢና።

ናይ’ዚ ዝበላዕኩሞ ሕሳብከ?

ከም’ቲ ኩሉ ግዜ ንገብሮ!

ከመይ ማለት?

መጻወድያ ክንገብረሉ ኢና።

ሽጋራ ወሊዕኩም፣ እንታይ ዶስ ኣበይ ዶስ ክብል ኢዩ። ኣላሂምናዮ ንሃድም።

ሕራይ!

ንምንታይ ኣብ’ዚ ተትክኹ? እዚ ጽሑፍ ትርእይዎ የለኹምን?

ንሕና ኣንቢብና ኣይንኽእልን ኢና።

እንተ ጸሊእካና ቦታኻ ንገድፈልካ።

ተስኡ! ኪዱ ውጽኡለይ። ድሁላት!

Scene 148

እቲ ኣብ’ቲ ዕሙር ድኳን ዝሰርሕ ወዲ እንድዩ`ዚ?

እወ፣ ጀማል እንድዩ። ክሳብ ትማሊ ንግሆ ጽቡቕ ነይሩ። ክድሃዮዶ?

ግደፎ፣ ከሲሩ’ዩ ዝኸውን።

Scene 63

ገመድኪኸ?

እንድዒ! እቲ ሰብኣይ ኣበይ ከምዝገበሮ ኣይፈለጥኩን።

ገዛ ከይደ ገመድ ከምጽእ እየ።

ሕራይ!
ነጁ!

እንታይ ገይረኪ ኩሉ ግዜ ትድንጕይኒ?

ገዛ እውልውል ነይረ።

ንስኺስ በሊ ገዛ ትውልውሊ? ሓሳዊት!

ሓሳዊት ኣይትበልኒ። እንታይ ኮይነ ገዛ ዘይውልውል?

ገዛ ምውልዋል ክንዲ’ዚ ግዜ ወሲዱልኪ?

መጀመርታ መደቀሲ ወልዊለ።

መደቀሲ ምስ ወልወልኪ ዘይትመጽኢ?

Scene 53

ሃቢ እቲ ገመድ! ጓል መን ኢኺ ንስኺ?

ኣነ ጓል ሳልም እየ?

ንስኺኸ?

ጓል ኣዳላ!

ንስኺኸ?

ኣነ ጓል ዓንዶም’የ።

ኣብ እዋን ትምህርቲ ከይትጻወታ። ኪዳ ናብ ትምህርትኽን።

Scene 122

ዝጽዓን ዘለዎ! ዝጽዓን ዘለዎ! ካብ መኪናን መርከብን ትበልጽ ዓረብያ።

Scene 99

መርሓባ ኣዳላ!
መርሓባ ዓንዶም! ከመይ ኣለኻ?

ይመስገን! ከመይ ኣለኹም?

ብጣዕሚ ጽቡቕ! ስድራ ከመይ ኣለዉ?

ጽቡቕ ኣለዉ፣ ኣልሓምዱሊላሕ።

እንታይ ድኣ ኣብ ሕጸ ዘይዓደምኩምና?

ኣብ ሕጸ ኣይበጻሕናን። ሕጸ ምስ ኮነ ክንዕድመካ ኢና።

እዋዘየካ ነይረ። ይኣምነለይ! ንሕናን ንስኻትኩምን ሓደ ኣካል እንዲና።

ቀዳማይ መርዓና ሳላኹም’ዩ ጸቢቑ።

እንታይ ጌርናልኩም? እንተገበርና ድማ ግቡእና ኢዩ።

እንታይከ ዘይሓገዝኩም! ብገዛኹም፣ ጉልበትኩምን ንብረትኩምን ሓጊዝኩም። ምሕረት


ናይ ብሓቂ ወረጃ ኢያ።

ምሕረት ካብ ሰባ ንላዕሊ እንታይ ሰሪሓ?

ከምኡ ኣይትበል። ረቢ መዓልቲ እንተሂቡኒ ኣብ መርዓ ውላድኩም ክኽሕሰኩም እየ።

እዚ ካሕሳ ንደልየሉ ኣይኮነን። ግቡእና ኢዩ።

ጽቡቕ ኣለኻ። ግቡእ ኢዩ።

ሎሚ ዓረብያኻ ናበይ ገጽካ ትስሕባ ኣለኻ?

ኣብ መደበር ሓደ ሰብ ጽዕነት ረኺበልካ ኢሉኒ። ናብኡ ገጸይ እየ።

ኣባዂረካ፣ ድሓን ውዓል!

ድሓን ውዓል ዓንዶም ሓወይ።

Scene ?

ያጀማዓ፣ ኣነ ዓምና ይጽበየኒ ኣሎ። ናብ ጋራጅ ክኸይድ’የ።

ገንዘብ ወጊፍና። ቁማር ተበሊዕና። ቁሩብ ግሩሽ ርኣየልና።

ሓቁ ኢዩ። ናይ ሽጋራ፡ ናይ ምሳሕ ኣለቅሓና።


ዓምና ደሞዝ እንተሂቡኒ ክምውለኩም እየ።

ሻም ሙሽ ቸንቶ ኣለቂሑካ?

ኣየለቅሓኒን ኣይበልኩን። ምሸት ኣብ’ታ ቦታና ጽንሑኒ።

ኮይስ፣ እታ ቸንቶ እንተዘየምጺእካያ ግን ክንቃሰም ኢና። (? ? ?)

ባእሲ ጥራይ? ካልእ እውን ኣሎ።

ድሓን፣ ኣብ’ታ ቦታና ጽንሑኒ።

Scene 73

ጃብር!

ኣሃ?

ሓንሳብ ደልየካ ኣለኹ።

ንብረተይ በይኑ ኢዩ ዘሎ።

ሽግር ኣይኮነን። ክጸንሓካ ኢዩ።

ኢልካ? ሕራይ በል።

ንዓኻ ክደሊ ዘይበጻሕኩዎ ቦታ የለን። ንዓናይ ገዛ ኬድና ንረዳዳእ።

ምስ’ዚኣቶም ዘረዳድእ የብለይን። ሕሉፈይ ረሲዖሞ። ንሳቶም ብኣደ ኣሕዋት ስለዝኾኑ


ንዓይ ጓና ቈጺሮምኒ። ኣበይ ከምዝበጽሑ ክርእዮም’የ።

ንስኻ ዓቢ ሓውን ኣቦን ኢኻ። ንሳቶም እንተተጋገዩ ንስኻ ትእርሞም።

ሕጂ ክንረዳዳእ ኣይንኽእልን ኢና። ኣነ ዘይባረኽኩሎም ጓል እንተኣመርዕዮም ክንርእዮም


ኢና። ንስኻ ሓው ዝገብሮ ኢኻ ጌርካ። ዕርቂ እንተደልዮም ይቕረ በለልና ኢሎም
ይልኣኹለይ። ኣነ ኣብ ዓደይ ኣለኹ።

ከምኡ ይሓይሽ?

እወ!

ኣብ ዓዲ ክንመጽኣካ ኢና። ብዙሕ ኣይትሻቀል። ብሰላም እቶ!

መርሓባ!
ቻው!

Scene 203

ዓንዶም! ዓንዶም ንዓ በዚ!

መርሓባ!

ከመይ ኣለኻ ዓንዶም ሓወይ? ልብና ብሓደ ኢዩ ነይሩ።

እንሻእ ኣላህ! (? ? ?) እንሻኣላህ

ገዛ ክመጽኣካ ደልየ ነይረ።

መዓልታት ጌርና ከይርኣናኹም። እንታይ ነይሩ?

ንስኻ ጎረቤትናን መማኽርትናን ኢኻ። ጽባሕ ሰንበት ሕጸ ኣለና።

ናይ መን ሕጸ? ሕጸ መንሱር ወድኻ ድዩ?

ኣይፋሉን፣ ሕጸ ሳብሪን ኢዩ።

ኣ?

እወ ሕጸ ሳብሪን። ኖራይ ሓወይ ካብ ዝሓትተላ ብዙሕ ገይሩ። ሕጂ ብወግዒ ሕጸ ንግበር


ኢልና።

ሳብሪን ትሕጸ ኣላ ኢልካ?

እወ። “ንዝኣኸለት ጓልካ ንዝብኢ ሃባ” እኳ ዝብሃል።

ሳብሪን ንእሽቶይ ኢያ ዘላ። ተማሂራ ምሓገዘትኩም። መርዓ ኣበይ ከይከዳ።

ሓቅኻ ኢኻ። ኖራይ ሓወይ ግን ዝበልኩዋ ትኹን ኢዩ ዝብል። ክኸስሮ ኣይደለኹን።

ንጃብር ሓውኻኸ ኣማኺርኩሞዶ?

መጀመርታ ንጃብር’የ ሂበያ ነይረ። ድሓር ግን ናብራ ገጠር ኣይትኽእሎን’ያ ኢለ ንኖራይ


ሂበያ።

ሕማቕ ጌርካ። ክልቲኦም ኣኣሕዋትካ ኢዮም። ንዝቐደመ ምሃብካያ። ኣብ’ቲ ሕጸ ከኣ


ዓድሞ።

እዕድሞ! ብወግዒ’ምበር።
ንስኻትኩም ኣሕዋት ትዋሰቡ። ኣሕዋት እንድሕሪ ተባኢሶም ዝዓርቆም የለን። (? ? ?)

ልክዕ ኣለኻ። ንሕና ሕጂ ከምኡ ኰንና ኣለና።

ስራሕ እንተዘይብልካ ሻሂ ንስተ።

Scene 221

ሰላማት!

መርሓባ!

መዓስ ድኣ መጺእካ ጃብር?

ገለ ጉዳይ ረኺበ በዚ ሓሊፈ ነይረ። ሕጂ ከኣ መሬት ከይመሰየት ንዓደይ።

እንዳ ኖራይ ሓዲርካ ዋለ እንዳ ኣዳላ?

ምስ ክልቲኦም ኣይሓደርኩን። ክልቲኦም ጠሊሞምኒ እንድዮም።

ነውሪ ኢዩ! ተዓረቑ። ሰብ ክጸዋወር ኣለዎ።

ድሓን፣ ንዓይ ጓና ቆጺሮም ይዛመዱን ይወሃሃቡን ኣለዉ። ይመልኣሎም። ንስኻኸ ኣኼባ ድዩ


ነይሩካ?

ብኻልእ ጉዳይ እየ መጺኤ። ጀማል ወዲ ኖራይ ንጓል ኣዳላ ኣይምርዓዋን’የ ኢሉዎም።

ኣሃ? ጸባ ይስተ ጀማል ወደይ! ኣፍሺሉዎም’ምብኣር።

መርዓ ብግዲ ኣይከውንን’ዩ። ነታ ቀዳመይቲ ጓል’ውን ኣገዲዶም’ዮም ኣመርዕዮማ። ሕጂ


እንታይ ጽቡቕ ረኺባ?!

እወ! ንብዓት ኮይኑ ቀለባ ኖሪት ጓለይ።

ኖራይ እንተሰሚዑና ክንመኽሮ ኢና። እንተኣብዩ ከኣ ብሕጊ ክንተሓሓዞ ኢና።

እዛ ሕጊ ዘበልካያ ጽቐጠላ። ኖራይ ጸጊቡ ኣሎ። በዘይካ ንሱ ዝበሎ ናይ ካልእ ኣይሰምዕን’ዩ።

ንስኻ ብሰላም እቶ። ኣነ ድሕሪ ኣኼባ ንጀማል ክረኽቦ እየ። ብቴለፎን ሓቢሩኒ። (? ? ?)

ጀማል ንዕኡ ትኸውን ባዕሉ መሪጹ ኣሎ ሰሚዔ። ምህርቲ ኢያ ከኣ ኢሎማ።

ጓል መን ድኣ ኮይና?
ምስ ጀማል ኣይተባእሰኒ። እታ ዘላ ካብ ጀማል ርኸባ።

ሓቂ ብርእሳ እንተቀበርካያ ብእግራ ትወጽእ! ጀማል ብዘይ ጉዳይ ኣምጸውዓኒን። እታ ሓቂ


ባዕሉ ክነግረኒ ኢዩ።

ረሲዔልካ’ባ…

ኣሃ?

ነዚ መንሱር ኣመቱ ግበሩ። ጥዑይ ቈልዓ ክንሱ በዲሎሞ ኣለዉ።

ኣመቱ ክንገብር ኢና። ብሰላም እቶ!

Scene 166

መርሓባ ሙኒር! ገዛ ክመጽእ እናበልኩ መጺእካ።

መንሱር ከመይ ኣለኻ?

እንቋዕ ብሰላም መጻእካ!

ጠፊኤ ድየ ነይረ?

ካብ ትጠፍእ ድኣ ነዊሕ እንድዩ ኮይኑ። ንዓናይ ሻሂ ንስተ።

ኣነ ወልፊ ሻሂ የብለይን። ተሃዊኸ ኣለኹ። ቻው!

ሙኒር ሕጂ እንዲና ተራኺብና።

ምሳኻ ዘረባ ኣለኒ። ሕጂ ግን ግዜኡ ኣይኮነን።

ዘረባ?

እወ ዘረባ።

ናይ ምንታይ ዘረባ? ድሓን ዲኻ ሙኒር?

ዝዀንክዎ የብለይን። ሕጂ ግን ግዜ የብለይን። ቻው!

ከይዳቶ ኣላ! ኣሃ! እታ ሓሳዊት መንሱራ ረኺባቶ ኣላ።

Scene 193
“ከመይ ኣለኺ ጀሚላ” እንተዝብላ እንታይ ምጐደለኒ? እንቋዕ ሰላም ኣይበልኩዋ። ኣብ
ጥራይ ጁባይ እንታይ ክብላ? እንታይ ምግባር ይሓይሽ? ረቢ ጥዕና እንተሂቡኒ ሰሪሔ
ክህብትም’የ። ፍቅሪ’ውን ምስ ገንዘብ’ዩ ጥዑም።

Scene 206

ጃብር ባእሱ ምሳይ ዘይኮነ ምስ ኖራይ ሓወይ ኢዩ።

ንስኻኸ እንታይ ጽቡቕ ጌርካሉ?

ጃብር ንኖራይ ሰይቲ ሙኒር ወድኻ ምሳይ ኣላ ኢሉዎ። ኖራይ ከኣ ንጓል ጃብር ነጺጉ ንኖሪት
ሃቡኒ ኢሉና። ንሕና ከኣ ሂብናዮ።

እንታይ ኮይኑ?

ደቂ ጃብር ጥዕና የብለንን። ብተወርሶ ዝመሓላለፍ ኢዩ። ረቢ ጥዕና ይሃበን!

ሊቃውንቲ መርዓ ኣዝማድ ጥዕናዊ ጸገም የስዕብ ኢዩ ይብሉ።

እዚ ሓቂ ኢዩ። ኖራይ ግን ሓጋዚና ኢዩ። ከይነቐይሞ ሂብናዮ።

እሞ ንኖራይ ኣቕሪብካ ማለት ድዩ? ምኽላእ ምኽልኡ ንኖራይ’ውን ዘይትኸልኦ ነበርካ?

ከመይ ገይረ ክኸልኦ? ኖራይ ገባሪ ጽቡቕና ኢዩ። ሂበዮ በስ።

ንጃብር ሕሉፉ ረሲዕኩሞ?

ረቢ ይቕረ ይበለልና! ንጃብር ሕሉፉ ረሲዕናዮ። እዚ ገንዘብ ኖራይ መሰረቱ ካብ ጃብር ኢዩ።
ጃብር ልቡ ጻዕዳ ኢዩ።

ገንዘብ ኖራይ ድኣ ከመይ ኢሉ ናይ ጃብር ኮይኑ?

ጃብር ካብ ቀዳመይቲ ሰበይቲ ዝውለድ ዓቢ ሓውና ኢዩ። ኣቦይ ቅድሚ ምማቱ ብርኩ
ኣውጺኡዎ ነይሩ። ንዓይን ንኖራይን ከኣ ንሱ ኢዩ ኣቦ ኮይኑ ኣዕብዩና። ደርጊ ኢዶም
ኣይስኣኑ ንዓይ ምስ ኣሰሩኒ፣ ኖራይ’ውን ከይእሰር ጃብር ኣግማሉ ሸይጡ’ዩ ንስዑድያ
ሰዲዱዎ።

ኣነ ኖራይ ባዕሉ ዘጥረዮ ገንዘብ’ዩ እብል ነይረ። ከምኡ እንተኾይኑ ጃብር ጌጋ የብሉን። እቲ
ጌጋ ናታትኩም ኢዩ። ሕጂ’ውን ኣሕዋት ሓዊስኩም ተዓረቑ።

ኣነ ኣብ መንጎ መጥሓንን መዲድን ተቐርቂረ። ጃብርን ኖራይን ዕርቂ ዝቕበሉ ኣይመስለኒን።


ሰበይተይ ከኣ ብቐርና ንዓይ ትጽበ ኣላ።
ረቢ ዕርቅን ሰላምን የውርደሎም! ኣብ’ቲ ሕጸ ክሳተፍ እየ። ንኺድ።

እወ፣ ግድን ክትሳተፍ ኢኻ።

Scene 207

ሕጂ ካብ ስራሕ ተጠሪዘ ትብለኒ!? ሕጂ እንታይ ክንገብር ኢና?

ናይ ሽጋራን ጫርማን ትጠቕመና ኔርካ። ገለ ግበር።

ካብ ስራሕ ብሰንክኹም’የ ተጠሪዘ። ንስኻትኩም ተበለጽቲ ኢኹም።

ዘረባ ገዲፍካ ገለ ግበር። ንሕና ሙሽ ንኸፍለልካ ኔርና?

ቅድሚ ሕጂ ዝገበርኩልኩም የጣዕሰኒ ኣሎ። ኣብ እዋን ጸገመይ ኣይሓገዝኩምኒን።

ከም’ዛ ሻም ዝበለካ ግበር። ንሕና ብዘይካኻ ኣይንኻርጅን። ሕጂ ወላ ሃንግ ንግበር። (? ? ?)

ጸገም የለን፣ ሃንግ ንግበር።

ኣነ ምሳኹም የለኹን። ካብ ሕጂ ንድሓር ብርሃጸይ ክነብር ወሲነ ኣለኹ።

ትማሊ ካብ ማዙ ቸንቶ ሙሽ ኣምጺእካ። ሕጂ ከኣ ካብ ባባ ገለ ኣምጽእ።

ንስኻትኩም ኣብ መንገዲ ጥፍኣት ኣለኹም። ኣነ ቀቢጸኩም እየ።

ኣቦኻ ሙሽ ጎንድራን ኣላቶ? ገንዘብ ሃበና በሎ። (? ? ?)

ኣቦኡ በጣሕ ኣላቶ።

በጣሕ ጥራይ? በጣሕ ምስ ተሰሓቢታ’ምበር።

ኣቦይ ከማኹም ኣይኮነን። ብርሃጹ ዝነብር ክቡር ሰብ ኢዩ። ዓዋሉ!

ንመን ኢኻ ዓዋሉ ትብሎም?

ንክልቴኹም።

ወዲ ሰበይቲ!

Scene 133

እንታይ ኰንኪ ደንጕኽኒ?


ዕዮ ገዛ በርቲዑኒ ነጁ ሓፍተይ።

ንሳብሪን ኣረድእኒ ዘይበልክያ?

ሳብሪን ሓፍተይ ንትምህርቲ ከይዳ።

መርዓትከ ቤት ትምህርቲ ትኸይድ ድያ?

ሳብሪን ሓፍተይ መርዓት ኣይኮነትን። ካበይ ኣምጺእክዩ’ዚ ዘረባ? በዓል ኣደይ ምስጢር
ሒዘንኦ ኣለዋ።

ኩሉ ሰብ እንዳ ኖራይ ክምርዓዉዋ ኢዮም ይብል ኣሎ።

በዓል ሓወ’ቦይ ጃብር ግን ኣይነመርዕዋን ኢና ኢሎም።

ንስኺኸ ክትምርዓወልኪ ትደልዪዶ?

ኣነ ድኣ ምስኣ ምኸድኩሞ ሓወ’ቦይ ኖራይ ኩሉ ግዜ ቸኮላታ ምሃበኒ።

ንሳ እንተተመርዕያ ድኣ ሳሎናትን ቴለቪዥንን መን ክገዝኣልኩም’ዩ?

ካብ እንዳ ሓወቦይ ኖራይ ይመጽኣና። መንሱር ሓወይ ከኣ ኣሎ።

መንሱር እቲ ዕዋላ?

ሓወይ ዕዋላ ኣይኮነን።

እጻወተኪ’የ ነይረ። ኣይደግማን እየ፣ ንዒ።

Scene 65

ብድሕርኡ ሳሎን ወልዊለ። ብዙሕ ርስሓት ነይርዎ።

ብድሕሪኡኸ?

ድሕሪኡ ከኣ ክሽነ ወልዊለ።

ሓሳዊት! ገዛኹም ሓንቲ ክፍሊ እንድያ። ካብ መዓስ 3 ኮይና?

ገዛና ሓንቲ ክፍሊ እያ። ሳሎንን መደቀስን ክሽነን ከኣ ኣብኣ ኣሎ።

ኣነ ከኣ ሓዳስ ገዛ ዝገዛእኩም መሲሉኒ።

ድሓን፡ ሳብሪንን መንሱርን ክገዝኡልና ኢዮም።


ክሳብ ሳብሪን ትምህርቲ ትውድእ ክትጽበዩ ኢኹም?

ንዓኻትኩምሲ ናድያ እንድያ ገዚኣትልኩም!

ሓሳዊት! ንሕና ገዛና ብቐደሙ 3 ክፍሊ’ዩ ነይሩዎ። ሳብሪን ክትምርዖ እንድያ?

ስቕ በሊ! ወረኛ!

እጻወተኪ’የ ዘለኹ። ንዒ፣ ሓስየ እየ።

Scene 147

ሃለው! መን ክብል?

ኣነ ኣክረም’የ ኣቦ! ከመይ ኣለኹም?

ከመይ ኣለኻ ኣክረም ወደይ?

ብዘይካ ናፍቖትኩም ጽቡቕ ኣለና። ከመይ ኣለኹም?

ንሕና ጽቡቕ ኣለና።

ሎም-ዘበን ክመጽእ እየ። ክሳብ ትመንዉኒ ምሳኹም ኮፍ ክብል እየ።

ጸላኢኻ ይመኖ! ሎም-ዘበን ከይተመርዓኻ ኣይትምለስን ኢኻ።

ኣነ’ውን ከምኡታት ሓሲበ ኣለኹ። ነዊሕ ዕረፍቲ ወሲደ ኣለኹ።

ብሰላም ምጽኣና! ባዕለይ ጓል ክመርጸልካ እየ።

ክትደሊ ትኽእል ኢኻ። ምህርቲ ግን ክትከውን ኣለዋ። ኣነ ከይርኣኹዋ ግን ቃል ኣይትእቶ።

ኣጆኻ! ብሰላም ጥራይ ምጽኣና!

መርሓባ ኣቦ። ክድውል እየ። ቻው!

መርሓባ! ማሽኣላህ! ጥዑም ዜና! (? ? ?)

Scene 1

- መርሓባ! እንታይ ድኣ ሎም-ቅነስ ዘይትርኣዪ ዘለኺ?

- ሓቅኻ፣ ስራሕ ንግሆን ምሸትን ስለዝዝኾነ ዕድል ስኢንና።


- ሕጂ ግዜ እንተለኪ ሻሂ ዘይንሰቲ?

- ይቕሬታ፣ ግዜ የብለይን። ካልእ መዓልቲ።

- ካብ ካልእ መዓልቲ ሎሚ ትቐርብ። ሻሂ ከኣ መዓስ ቡን ኮይኑ ግዜ ዝወስድ። ማይ


ከይመዝኤ ንዕናይ ሻሂ ንስተ።
- ከምኡ ይሓይሽ ኢልካ?

- እወ፣ ንዕናይ ጥራይ።


- Scene 3
- በቃ ምርቕቲ ኮለጅ ኰንኪ ኣነን ንስኽን ተፈላሊና!

- ሳላኻ እንድኣለይ’ሞ ዛዚመዮ። እቲ ተረድኣኒ ዝነበርካ መዓስ ረሲዔዮ።

- ኣነ’ሞ እንታይ ገይረልኪ። ንፉዕ እንተዝኸውን ንባዕለይ ኮለጅ ኣይምጠንጠንኩን።

- ኖኖ፡ ከምኡ ኣይትበል፣ ዝኾነ ነገር ዕድልን ጽሕፍቶን’ዩ። ድሓር ድማ ኣቦኻ ሓግዘኒ
ስለዝበለካን ስለዝሓገዝካዮን እንዲኹም ሎሚ ዱኳንኩም ዓሚሩልኩም ዘሎ።
ዘጣዕስ የብልካን።
- ድኳን ኣዘኪርክኒ። ሕጂ’ውን ጠንጢነዮ እየ መጺኤ ዘለኹ። እቶም ዓማዊል ናብ
ካልእ ከይከዱኒ?
- ድሓን፡ ምስ ኣዕለልና ኣነ’ውን ገዛይ ብዝእረም መጽሓፍቲ ቅጽጽ ኢሉ ኣሎ።
(? ? ?) ጥራውዝቲ
- ረሲዔልካ ጀማል ሓወይ፡ ንዓመት ነጃት ሓፍተይ ዝኸውን ቶርታ ከስርሕ ሓሲበ’ሞ
ኣብ ኳንኩም ስፐዛ ይህሉዶ ይኸውን! ርኣለይ እስከ።
- ጸገም የለን፣ ቁጽሪ ስልክኺ ሃብኒ’ሞ ባዕለይ ኣዳልየ ክድወለልኪ’የ።

- ሕራይ።

- ናትካ’ያ ሙሽ?

- እወ።

- የቐንየለይ!

- በቃ ድሃይ ኣይተጥፍኢ።

- እንሸኣላ! ብሓንሰብ ኣለና። (? ? ?)


- እንሸኣላ! (? ? ?)
- Scene 97
- ጀማል፡ ንስኻ ከይወሰንካ ኣይንሳብሪን ኣይንናድያ ዘርሞ-ዘርሞ ክትተርፍ ኢኻ።

- ኣነ’ሞ እንታይ ዘይገበርኩ! እታ ብልቢ ዝፈትዋ ናድያ’ያ፡ ኣቦይ ዝመረጸለይ ድማ


ሳብሪን’ያ። በጃኻ ተዋጢረ ኣለኹ።
- ተዋጢረ ምባል ትርጉም የብሉን። ውሳኔኻ ኣብ ኢድካ እንድዩ!

- ንሱስ ሓቅኻ። ግን ኣቦይ ንሳብሪን ሓቲቱለይ፡ ኣቦይ ኣዳላ ድማ ሂቡዎ። ምስ ኣዲኣን


ሓዋን ከይተማኸሩ።
- ኣየናይ ሓዋ? እዚ ዕዋላ? ኩሉ ኣካይድኡ ንዓይ ዕዋላ ኮይኑ’ዩ ዝስመዓኒ።

- ዕዋላ እንተኾነ’ውን ንስጋኻ ከመይ ጌርካ ትቆአጾ? ከም’ዚ ኣይትበል ዓብደልዓዚዝ።


ዝተወልደ መዓልቲ ኣይስእንን’ዩ። (? ? ?)
- ኩነታቱ ንዝርኣየ መቼም ተስፋ ዘለዎ ኣይመስልን’ዩ። ካብ ኩሉ ዘጽልኣኒ ድማ
ንኣቦኡ ዋላ ሓንቲ ኣይሕግዞን’ዩ። ተጸባቢቕካ ኣብ ጎደናታት ኮለል በል ጥራይ በሎ።
- ኣቦይን መንሱራ ሓፍተይን’ውን ካብ ኩሉ ንዕኡ’ዮም ዝጸልኡ። ንሱ’ውን
ኣይፈትዎምን’ዩ። ምሳይ ግን ቤላ’ዩ።
- ኣቦኻ የለን ድዩ? ሎም-ቅነ ኣይርእዮን ኣለኹ። ነቲ ዱኳን ናባኻ ገዲፉዎ?

- ኣቦይ ሎሚ’ውን ናብ እንዳ ኣቦይ ኣዳላ ከይዱ ኣሎ። ካብ ምውህሃብ ናብ ሕጸ


ከይሰግሩ ጥራይ ፍራሕ።
- እንታይ ድኣ ደሊኻ! ድሕሪ ምውህሃብ ሕጸ፡ ድሕሪ ሕጸ ድማ መርዓ ጥራይ’ዩ እዚ
ዓርከይ!
- ወላሂ ኩሉ ነገር ተሓዋዊሱኒ ኣሎ። ንዕኦም መታን ከፍቱ ዘይገብሮ ነገር የለን።

- ሎሚ ውሳኔኻ ክትነግረኒ እየ መጺኤካ። ናድያ’ውን ነዚ ክትፈልጥ ደልያ ኣላ።

- ክውስን’የ። ኣቦይ ሮመዳን’ውን ኣብ ጎድነይ’ዩ ዘሎ። ንሱ ንኣቦይ ከስመዖ ስለዝኽእል


ሕጸ ሳብሪን ክብርዕን’ዩ።
- በቃ! ናድያ’ውን እንተዘይወ Scene ካ መደባ ክትገብር ተሓስብ ስለዘላ ኣቦኻ
ሮመዳን ናብ ኣቦይ ሳልም ከይዱ ይሕተተልካ።
- ኣቦይ ብሂወቱ ከሎ ንኣቦይ ሮመዳን ኣይቅበሎን’ዩ። ድሓር ኣቦይ ሮመዳን ምስ ወለዲ
ከይመኸረ ከመይ ገይሩ ከምኡ ክገብር?
- ንስኻ እኹል ሰብኣይ ኢኻ። ወሳኔኻ ጌርካ ንስድራኻ ባዕልኻ ዘይትነግሮም። ምስ
ናድያኻ ቃል-ኪዳንካ ግበር። እዚኦም ይኹኑ እቲኦም ኣበይ ከይበጽሑ!
- ከምኡ ይሓይሽ?

- እወ፣ ከምኡ ይሓይሽ።


- Scene 66 ወ 68
- ንሕና ነቲ ካብ ኣቦሓጎታትና ዝጸንሓና ልምዲ ክንዕቅቦ ይግባእ። እቲ ሰንሰለት
ብመሰረቱ ክብተኽ የብሉን።
- ባህሊ’ውን ጽቡቕን ሕማቕን ጎድንታት ኣለዎ። ነቲ ጽቡቕ ክንርዕሞ፡ ነቲ ሕማቕ
ድማ ክንድርብዮ ኢዩ ዝግብኣና።
- ንሕናስ ብከምኡ እንዲና ንኸይድ ዘለና። ጃብር፡ እንታይ ድኣ ስቕ ኢልካ ዘይትዛረብ?

- ኣብ ምንታይ’ሞ ክዛረብ’የ። ንስኻትኩም ግን ኣብ ሓደ ነገር ዝተረዳዳእኩም


ኢኹም ትመስሉ።
- ጃብር ዓቢ ሓውና’ዩ። ኣዳላ ንሱ ይዛረብ ክብል ሓቁ’ዩ። እዚ ድማ ካብ’ቲ ክንድግፎ
ዝግብኣና ጽቡቕ ልምዲ’ዩ።
- እወ፡ ሕጽር ብዝበለ፡ ኣብ ትውልድና ከውስኽ ስለዝደለኹ ነዚ ጀማል ወደይ እዛ
ሳብሪን ጓል ኣዳላ ሓወይ ክትባርኹለይ እሓትት ኣለኹ። (? ? ?)
- እሞ ሓሳብካ እዚ እንተኾይኑ ኣቦ ጓል ኣዳላ ስለዝኾነ ባዕሉ’ዩ ዝምልስ።

- ንስኻ እንዲኻ ትዓቢ፣ መጀመርታ መልስኻ ዘይንሰምዕ?

- ብመጀመርታ ዝህብን ዝኸልእን ወላዲ’ዩ።

- ንሱ ግደፎ። መጀመርታ ንስኻ ርእይቶኻ እንታይ’ዩ?

- ኣነ ቅድሚ ኣቦ ጓል ኣይምልስን’የ። ንምንታይ እንተኢልካ፡ ምናልባሽ ቅድሚ ሕጂ


ዘሕለፎ ቃል ይህሉ ይኸውን።
- ሓቂ ንምዝራብ ነዛ ጓል እዚኣ ቅድመይ ዝሓተተላ ሰብ የለን። ኣዳላ እንታይ ድኣ
ስቕ ትብል? ስለምንታይ ዘይትምልስ?
- ኣቱም ሰባት፡ ከም’ታ ኖራይ ዝበላ ሂበዮ እየ በቃ!

- ሂብካዮ? ዘገርም’ዩ! ኖራይን ኣዳላን ሓዴኹም ይህብ፡ ሓዴኹም ድማ ይወስድ! እዚ


ደቂ ሓንቲ ኣደ ስለዝኾንኩም ዝኣለምኩሞ ጉዳይ’ዩ። ድሓን ጸገም የለን።
- ሕጂ ሓደ ነገር ክብለኩም ጽን ኢልኩም ስምዑኒ!

- ጃብር እንታይ ትብል ኣለኻ? ነዛ ጓል እንተሓተትኩላ እንታይ ኣቢሰ?

- ኣይበልኩን። ሳብሪን ጀማል እንተተመርዓዋ ጽቡቕ’ዩ፣ እንተኾነ እዚ ኣዳላ በዓል


ክልተ መልሓስ’ዩ።
- እንታይ ኢሉ ትብል ኣለኻ?

- እወ፡ ንስኹም ደቂ ሓደ ማህጸን ስለዝኾኩም ንዓይ ኣጓኒኹምኒ። ውዲት


ኣሊምኩም። ውጽኢት ተንኮልኩም ድማ ክንርእዮ ኢና።
- ጃብር እንታይ ትብል ኣለኻ? ንሕና ወዲት ኣሊምና?

- እወ! ተንኮል ኣሊምኩም፣ ተንኮለኛታት! ኣነ ቅድሚ ሕጂ እዛ ጓል ንወደይ


ክተውሃበኒ ንኣዳላ ምስሓተትኩዎ፡ ‘ጓለይ ንእሽቶ ኢያ ዘላዶ ትምህርታ
ክትቅጽል’ያዶ ኢሉ ምስምሳት’ዩ ፈጢሩለይ።
- ካብ ሕጂ ከም’ዚ ዝተብኣስኩም ድሓር ምስተዋሰብኩም ብኸመይ ክትሳነዩ
ኢኹም? ኣነ ከም ርእይቶይ እዛ ጓል ትምህርታ ትቐጽል። ንስኻትኩም ድማ
ሕውነትኩም ይሕሸኩም። ኣዋልድ ኣብ ኣስመራ ኮነ ኣብ ዓዲ መዓስ ውሒደን።
- ንሕና ኣዋልድ ውሒደና ኣይበልናን። ድቅና ንሓድሕዶም ክዋሰቡልና ስለዝደለና
ኢና። እዚ ድማ ካብ ጥንቲ ዝጸንሔ ልምድና’ዩ።
- እሞ ብልምድና ትኸዱ እንተለኹም ኣቐዲሙ ዝሓተተ ይወሃብ። ንዓቢ ድማ
ቀዳምነት ይወሃቦ። ቅድሜኻ ጃብር’ዩ ሓቲቱላ ነይሩ፡። ንዕኡ ከኣ ምተገበአት።
ቅድሚ ኩሉ ግን ድሌት ናይቶም ቈልዑ እንታይ ምዃኑ ሓቲትኩሞምዶ?
- ሮመዳን ስቕ በል። ቈልዑ ይፍተዉ ይጽልኡ ካብ ድልየትና ኣይወጽኡን’ዮም፡፡
ክትፈልጦ ዝግብኣካ ከኣ ሳብሪን ጓል ከተማ’ያ። ካብ ምስ ማሕሙድ ምስ ጀማል
ይሕሻ። ካብ ከተማ ናብ ዓዲ ብመሰረቱ ኣይትኸይድን’ያ።
- ድሓን፡ ንስኻትኩም ደቂ ሓንቲ ኣደ ኰንኩም ንዓይ ጓና ሓሲብኩኒ። ካብ መዓስ
ሓውኹም ኮይነ?
- ጃብር ንዓ፣ ተጋጊና እንተለ’ና ይቕረ በለልና።
- Scene 71
- ናድያ፡ ኣነን ንስኽን ናይ ሰለስተ ክፍሊ ፍልልይ’ኳ እንተለና፡ ካብ ንጅምር ክሳብ ሕጂ
ከም ኣሕዋት ንነብር ኣለና። ሓዴና ኮለጅ እንተገደፈ፡ ሓዴና ከኣ ኮለጅ እንተቐጸለ
ምርእኣይ ኣይከልከለናን።
- ጽቡቕ ኣለካ፣ እሰምዓካ ኣለኹ።

- ናድያ፡ እዚኣ ነቲ ኣብ ልበይ ዘሎ እትገልጽ’ያ።

- የቐንየለይ ጂሚ! ረቢ ድማ ይሓግዝካ!

- የቐንየለይ! ምሕዝነትና ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ ኣሎ። ፍቕርና ግን ታተ


ከይበለ ብርቱዕ ግድል ይጽበዮ ኣሎ።
- እንታይ ግድሉ?

- ስድራይ ሳብሪን ጓል ኣቦይ ኣዳላ ተመርዖ ይብሉኒ ኣለዉ።

- እሞ ንስኻ እንታይ’ዩ ርእይቶኻ?

- መርዓ ምስ ሳብሪን ኣብ ልበይ የለን። ድሓር ሳብሪን ንእሽቶ’ያ። ናይ ትምህርቲ


ዕድላ ክቑጸ የብሉን።
- ምንኣስሲ ንእሽቶ’ያ። ግን ክትዓቢ ትኽእል’ያ።

- ናድያ፡ ሳብሪን ትንኣስ ትዕበ ኣብ ልበይ የላን። ኣብ ልበይ ዘለኺ ንስኺ ኢኺ። ሕጂ
ድማ ናትኪ ርእይቶ ክምሰምዕ እደሊ ኣለኹ።
- እሞ ኣነ ክነግረካ?

- ‘ኣነ’ውን እፈትወካ’የ፣ ኣብ ዝኾነ ጥዑምን መሪርን ምሳኻ ኣለኹ’ በልኒ። ካልእ


ሓሳብ እንተለኪ ድማ…
- ካብ ንግብረይ ንቃለይ ዲኻ ትኣምን?

- ሕጂ ግብርን ቃልን ብሓንሰብ ዝድለዩሉ መድረኽ በጺሕና ዘለና።

- ኣነ’ውን ካብ ኣፍካ ክሰምዖ እደሊ ነይረ’ምበር ካብ ርእይቶኻ ዝፍለ ርእይቶ


የብለይን።
- የቐንየለይ! የቐንየለይ ናድያ ሓፍተይ! ኣብ ቅድሜና ግን ብዙሕ ጸገማት ይጽበየና
ኣሎ፡፡ ብንፋስ ከይተዘረግና ብሓንሰብ እንተተጓዒዝና ኣብ እንደልዮ ሽቶ ክንበጽሕ
ኢና። እዚ ክብለኪ ከለኹ ኣብ መንጎ ፍቕርኽን ኣኽበሮት ወለደይን’የ ተቐርቂረ
ዘለኹ። ዋላ ኣብ’ቲ ዝጸንከረ ኩነታት ኣብ ጎድነይ ክትኮኒ ድማ እደሊ ኣለኹ።
- ኣብሽር ጂሚ! መብጸዓ ይኹነኒ! ኣብ ዝኾነ ጥዑምን መሪርን ኩነታት ኣብ ጎድንኻ
ኣለኹ።
- ሹክረን! የቐንየለይ!
- Scene 6
- ጃብር ሓወይ፡ ጥሪት ሓሲረን ኣለዋ። ከባኹሱልካ’ዮም። (? ? ?)

- እዋይ ኣዳላ ሓወይ፡ መቼም ኩሉ ናብ ዕዳጋ ዝወርድ ጥሪት ንመሸጣ ኮይኑ’ዩ


ዝስምዓካ።
- እንድዒ! ኣነ እንታይ ፈሊጠ ኢልካኒ።

- ስምዓኒ ሕጂ ነዚ ዓቢ ወጠጦ ንስኻ ውሰዶ። ነቲ ድማ ንኖራይ ሃቦ። ምስኣዕረፍካ


ድሓር በታ ዓረብያኻ ትወስዶ።
- እንታይ ትብል ጃብር? ነዘን ጥሪትካ’ኮ ባዕልና ወዲእናየን! ሓንሳብ ጤል፡ ሓንሳብ
ጠስሚ፡ ሓንሰብ ፍሓም እናበልካ እንታይ ዘይገበርካልና!?
- ድሓን፡ ድሓን እዚ ንዓኻትኩም ኣይበዝሓኩምን’ዩ። ንስኻ እቲ ዘበልኩኻ ጥራይ
ግበረለይ። ሕጂ ጉዳይ ኣለኒ፣ ንዕኡ ኣሳሊጠ ምሸት ምሕዳረይ ምሳኹም’ዩ።
- ጽቡቕ ጌርካ። ኣኖኣይ እዚ ንእሽቶ ወጠጦ ይኣኽለኒ’ዩ። ነቲ ዓቢ ናብ ኖራይ
ከብጽሖ’የ።
- ኣዳላ ሙሽ ነጊረካ! እቲ ዓቢ ንዓኻ፡ እቲ ንእሽቶ ድማ ንኖራይ ሃቦ ጥራይ።

- ንሕና ፍሪጅ የብልናን። ሓሪድና ብሓንሳብ ኢና ንድረሮ። እንዳ ኖራይ ሓወይ ግን


ብዕራይ ዘእቱ ፍሪጅ ኣለዎም።
- ዘገርም’ዩ! ንስኻትኩም እዞም ኣብ ከተማ ትቕመጡ መነባብሮኹም ኣይግድን’ዩ።
ስጋ ምስ ተሓርደ ስለምንታይ ኣብ እዋኑ ዘይትበልዑዎ? ኣብ ፍሪጅ ኣኪብኩም
ክሳብ ዝምሽምሽ ትጽበዩዎ?
- ቀልጢፉ ከይውድኣና ኢልና ኢና። ንሕና መዓስ ከማኹም ኩሉ ግዜ ንረኽቦ ኰንና።
- ኣነ ካባኻ መልሲ ዝደልየሉ ካልእ ጉዳይ ኣለኒ። ጓልካ ነቲ ንእሽቶ ወደይ ክትህበኒ
ምደለኹ። ካብ ግዜ ምውላዳ ነጊረካ ነይረ እየ። ንስኻ’ውን ትፈልጥ ኢኻ።
- ጃብር፡ ንዓኻ ጓል ትግብኣካ’ያ። ከም’ቲ እትፈልጦ ግን ፈለማ ንእሽቶ’ያ፣ ካልኣይ
ድማ ተማሃሪት’ያ። ሕጂ ክትሕጸዪ ኢኺ እንተኢልናያ ኣይትቕበለናን’ያ። ንሳ
ትምህርታ ትወድእ። ድሕሪኡ ድማ ንሓስበሉ።
- ጸገም የለን። ኣነ’ውን ዝያዳ መውስቦኹምን ጽቡቕኩምን ስለዝደለኹ’የ’ምበር ጓል
ኖራይ’ውን ኣላ። ግን ኣነ ኣይደለኹዋን። ድሓር ዝያዳ ነዕልል። ምሸት ምሕዳረይ
ምሳኹም’ዩ። ኣቦይ መርኬ’ውን ሎሚ ክመጽእ’ዩ። ኣብ እንዳ ኖራይ ይሓድር
ይኸውን።
- ጽቡቕ፣ ኣነ’ውን እታ ዓረብያይ ኣብ’ዚ ኣላ። ኣብኣ ክጽዕኖም’የ።

- ሕራይ፡ ጽቡቕ ጌርካ። ሕጂ ኣብ ሹቕ በጺሔ ከርክበካ’የ።

- ሕራይ፡ ሕራይ።
- Scene 95
- ሃለው ዓብደልዓዚዝ!

- ሃለው ጀማል!

- ከመይ ውዒልካ?

- ጽቡቕ! ኣብ ድኳን እንተለኻ ክመጽኣካ።

- እወ፡ አብ ዱኳን ኣለኹ፣ መርሓባ!

- ሕራይ፣ ብእግረይ እመጽእ ኣለኹ። ኣብ’ዚ ቀረባ ስለዘኹ ኣይድንጒን’የ።

- ሕራይ፣ ኣነ’ውን ድኳን ዓጽየ ክጽበየካ’የ። ምኽንያቱ ምስ ዓማዊል ክነዕልል


ስለዘይንኽእል።
- በቃ! ሻሂ ካባኻ’ዩ።

- ጸገም የለን፣ ኣብሽር።


- Scene?
- ሕጂ ንስኻ ኣይትሻቐል። ካብ ድልየትካ ዝክልኽለካ የለን።
- ሃለው ናድያ! ጀማል’የ። ጸገም የለን። እቲ ዝኣዘዝክኒ ነገራት ተዳልዩ ኣሎ። ኣብ
ድኳን መጺእኪ ትወስድዮ ወይስ ፋዱስ ናብ’ቲ ናይ ትማሊ መናፈሻ ከምጽኣልኪ?
ዋግኡ ድሓን’ዩ፣ ብዛዕብኡ ኣይትሻቐሊ። ድሓር ምስ መጻእኪ ንርእዮ። ሕራይ፣
ቻው!
- Scene 17
- ሰላም ዎዓለይኩም!

- መርሓባ ናድያ! ከመይ ውዒልኪ? እንታይ ኣሎ ሓድሽ?

- ካብ ክፍሊ ናብ ክፍሊ እናተወናጨፍና ዝርኣናዮ ይኹን ዝሰምዓናዮ የለን።

- ኣዳሊኻለይዶ?

- እወ፣ እወ።

- ኣይትሓዘለይ፣ ኣብ ስራሕዶ ጸሚድናካ?

- ኖኖ፣ ኣይትሰከፊ። ድሓር ዘይካብ ኣብ ድኳን ዝነበረ ኣቚሑ እየ ቀሪበልኪ።

- የቐንየለይ! ዋግኡኸ ክንደይ’ዩ?

- ኖኖ፣ እዚ ናተይ ህያብ ንዓመት ሓፍትኺ’ዩ።

- ኖኖ! ህያብ እንተዝኸውን ባዕልኻ ኣብ ኢዳ ምሃብካያ። ሕጂ ጥራይ ዋግኡ ንገረኒ።

- ሕማቕ ጌርኪ፣ ኣይከውንን’ዩ።

- ንዒ’ሞ ማልስኪ ወሰዲ።

- የቐንየለይ!
- Scene 32
- ኣሃ! ጀማል እንታይ ድኣ ሎም-ቅነስ ብእግሪ ኮለል ትብል ኣለኻ? መኪና ገና
ኣይተዓረየትን ድያ?
- ረቢ ካልእ መኪና ይፍጠረልና በል። እዛ መኪና’ዚኣ በሊዓቶ ዘላ ገንዘብ ካልእ መኪና
ከግዝእ ዝኽእል’ዩ። ኣቦይ ግን ክሰምዓና ኣይክኣለን።
- ሓቅኻ፣ መኪና ናብ ጋራጅ ምምልላስ እንተ’ብዚሓ ክትሸጣ ጥራይ’ዩ ዘለካ።

- መኪናኻ ግን ጽቡቕ ኣላ። ቅያር ኣቚሑኣ ብቐሊሉ ይርከብ’ዩ ኢሎሞ።


- መኪና ካብ ኣተሓሕዛኣ’ዩ ጂሚ። ባዕልኻ እንተሒዝካያ ተገልግለካ’ያ። ኣነ ንካልእ
ሰብ ኣይህባን’የ። ባዕለይ’የ ዝሕዛ።
- ነዛ ናድያ ጓል ኣቦይ ሳልምከ ትረኽባዶ ኣለኻ?

- ኣነን ናድያን ደቂ ሓወ’ቦታት’ኳ እንተኾንና ኣካይዳና ነንበይኑ’ዩ። ኣብ በዓላት ከም


ዒድን መርዓን እንተዘይኮይኑ ኣይንርአአን ኢና።
- ንሕና’ውን በዚ ኩነታት ስራሕና ክንራኸብ ኣይክኣልናን።

- ድሓን ዲኻ? እንታይ ድኣ ትሓትተላ? ኣነ ዘይፈልጦ ፍቕሪ ግዲ ጀሚርኩም


ኢኹም።
- ፍቅሪ ዘሎ እንድዩ፣ ምሳኻ ከይተማኸርና ግን ዝኸውን ኣይኮነን።

- በዚ ሕቶኻሲ ዓይኒ ዘውደቕካላ ኮይኑ ስለዝተሰምዓኒ’የ።

- ኖኖ! ኣነሲ ነዛ ሳብሪን ጓል ኣቦይ ኣዳላ ኣብ ትምህርቲ ዝሕግዛ እደልየላ ነይረ’ሞ ንሳ


ትሓይሽ ስለዝበልኩ’የ።
- ዶ? ጀማል ኣብ ፍቕሪ ናድያ ዝወደቕካ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ ነይሩ።

- እንታይ ድኣ? ፈሪሕካ ዲኻ? ኣብሽር ኣይትፍራሕ።

- ፍርሒ የለን።
- Scene 333
- ድሕሪ’ቲ ኣነን ንስኻን ዝተዘራረብናሉ ግዜ ንስኻን ናድያን ተራኺብኩምዶ
ትፈልጡ?
- እወ፣ ተራኺብና ኔርና።

- እሞ እቲ ውሳኤ ናብኣ ገዲፍካዮ?

- ኣብ ዝዛረባ እዋን መንገዲ ከሊኣትኒ። ካብ ቃለይ ክትሰምዕ ኣይደለየትን።

- ዋላ ሓንቲ ኣይነገርካያን ማለት ድዩ? ምስኪነይቲ ናድያ ኣብ ሕልሚ ትነብር ኣላ።

- ነቲ ጉዳይ ተዘራሪብናሉ ኢና። ‘ውዑይ ማይ ዘይተደፍኦ ዝሑል ይመስሎ’ ይብሉ


መሰልቲ። እቲ ጉዳይ ቀሊል ኣይኮነን ዓብደልዓዚዝ። ድሕሪ ሓደ ሰሙን
ክትፈልጥ’ያ።
- ኣብ’ቲ ዝፈለጠትሉ እዋን ናድያ ክትጽለል ኢያ።
- እቲ ጽላለ ኣባይ ከይከውን ፍራሕ።

- ንስኻ ስለምንታይ ተቐቢልካዮም።

- ኣነ እምቢ ከይበልኩ እቲ መርዓ ዝፈሽለሉ ስልቲ ነናዲ ኣለና።

- እሞ እዚ ስልትታትና ዝዕወትዶ ይመስለካ? እንተዘይተዓወተኸ? ንኣብነት ኣነ


ዘምጻእኩዎ ሓሳብ ኣይተዓወተን። ንሕጸ ናብ እንዳ ኢብራሂም ከይዶም ነይሮም።
- እሞ እንታይ ኢሎሞም? ሕራይ ኢሎሞም?

- ሕጂ ምስ ጓልና ክንመክር፡ ካልእ እዋን ተመለሱና ኢሎሞም።

- ኣልሓምዱላህ! እቲ ጉዳይ ኣብ ኢድ ናድያ ኣምቢሮሞ።

- ድሕሪ ሕጂ ከም ካልኣይቲ ሰበይቲ እንተዘይኮይና ረድያን ኣብያን እንታይ ገዲፍካ


ኣለኻ? (? ? ?)
- ካልኣይቲ ሰበይቲ ኢልካ? እዚ ዘይከውን’ዩ። ረቢ ኣሎ።

- ኣነ ክነግረካ፡ ንነብስኻን ንናድያን ትቅሽሽ ዘለኻ ኮይኑ ይስመዓኒ ኣሎ። ኣቦይ ኖራይከ
ንምንታይ ጸዊዑና?
- እንድዒ! እንታይ ፈሊጠ ኣነ።

- ንዓነይ ጥራይ ናብኡ ንኺድ። ዘላ ኣብኣ ኣላ።


- Scene 113
- መርሓባ ጀማል! ስዓል ሓሚምካ ዲኻ? ድምጽኻ ደስ ኣይበለንን። ድሓን፡ ግዜ
እንተዘይሃለወኒ’ውን ንዓኻ ዝኸውን ግዜ ኣይስእንን’የ። ኣበይ ኣለኻ ሕጂ? ቁሩብ
ርሕቕ ኢለ ኣለኹ። ግን ኣይድንጒን’የ። መኪና ኣላ ምሳይ።
- Scene 142
- እሰምዓኪ ኣለኹ ናድያ ሓቢብቲ! ሎሚ ኣብ ታሪኽና ፍልይቲ መዓልቲ’ያ።

- ፍልይቲ መዓልቲ ኢልካ ስቕ ኢልካ!? ኣነ ነዛ መዓልቲ እዚኣ እምነያ እየ ነይረ። ድሓር


ከኣ እዛ ቦታ’ዚኣ ንኽተዕልል ምችእቲ’ያ።
- ጽቡቕ ኣለኺ፣ ኣነ’ውን በዚ ቦታ’ዚ ኣብ ዝሓልፈሉን ፍቑራት ብሓንሳብ ክዕልሉ
ክርኢ ከለኹን እቐንእ’የ ነይረ።
- እሞ እንታይ ትምነ ኔርካ?
- ነዛ ናይ ሎሚ ኣጋጣሚ እምነ ነይረ። ነዛ ኩሑል ኣዒንታ፡ ጽቡቕ ቁመናኣ፡ ሕጉስ
ማሕበራ፡ ቦኽሪ ፍቕረይ ዝኾነት ናድያ ጓል ኣስመራ እምነ ነይረ። (? ? ?) ሕጉስ
ማሕበራ?
- እዋይ ጂሚ! እዚ ኩሉ መግለጺ ምሳይ ይሰማማዕ ኢልካዮ? የቐንየለይ! ግና ኣነ
ዝብለካ’ውን ስማዕ።
- ሕራይ።

- ኣነ’ውን ልበይ ምስ’ዚ ጂሚ ዝያዳ ካብ መሳትኡ፡ ምስ’ዚ ጂሚ ሓለንጋይ ቁመቱ’ዩ


ነይሩ ትምኒተይ እብለካ።
- እወ፡ ጽቡቕ ክኢልኪዮ። ትምኒትና እዚ’ዩ ነይሩ። ትምኒትና ከኣ ረኺብና። (? ? ?)
- Scene 144
- መጀመርታ ንስኺ ካብ ፍጥረትኪ ልኡል ኢኺ። እዚ ሎሚ ተኸዲንክዮ ዘለኺ
ክዳን’ውን ኣብ ልዕሊ ጽባቐኺ ጽባቐ ወሲኹልኪ ኣሎ።
- የቐንየለይ ጂሚ! ኣነ ድየ ጽብቕኪ ወይስ እቲ ክዳን’ዩ ኣጸቢቑኒ?

- ጽብቕቲ ጽቡቕ እንተተኸዲና ልዕሊ’ቲ ረቢ ዝሃባ ጽባቐ’ያ ትውስኽ።

- እቲ ክዳን ኣጸቢቑኒ ማለትካ’ዩ።

- ኖ! እቲ ዝነበረኪ ጽባቐ ወሲኹ’ምበር ንጽባቀኺ መን ይዳረጎ?

- ብኸመይ? ካብ’ተን ካልኦት ኣሕዋተይ ፍልይቲ’የ ማለት ድዩ?

- ኣነ ካብ’ቲ ፈላስፋታት ዘቕርቡዎ መግለጺ ጽባቐ ንዓኺ ዝኸውን ዝተፈልየ መግለጺ


ኣለኒ።
- ብኸመይ? ካብ’ቲ ካልኦት ንፍቕሪ ዝገልጹዎ ሓለፋ እንታይ ኣሎኒ?

- እወ፡ ናትኪ ጽባቐ ፍሉይ’ዩ። እቲ ቁመናኺ፡ እቲ ኣስሒት ዝመስል ጻዕዳ ኣስናንኪ፡


እቲ ቀጢን መዓንጣኺ፡ እቲ ፈናጅል ዝመልስ ኣዒንትኺ እናበልኩ ኣይኮንኩን
ዝገልጸኪ። ናተይ መግለጺ ካብ’ቲ ናቶም ዝተፈልየ’ዩ።
- እሞ ካብ’ዚ ትብሎ ዝነበርካ ገለ ውሑድ የብለይን?
- ኖኖ! ከም’ቲ ማይ ባሕሪ ጽሩይ’ኳ እንተመሰለ ክትሰዮ ዕረ ዝጥዕም፡ ጽባቐኺ ከም’ቲ
ማይ ባሕሪ ብናይ ደገ ትርኢቱ ጽሩይ ዝመስል ዘይኮነ፡ እቲ ናይ ብሓቂ ጽባቐኺ
ካልእ’ዩ።
- ካልእ ክትብል ከለኻ እንታይ ማለትካ’ዩ?

- እወ፡ ጽባቐ ናይ ቅርጺ ኣካላት ዘይኮነ፡ እቲ ናይ ብሓቂ ጽባቐ ስነ-ስርዓት፡ ፍልጠት፡


ሚዛንን ስነ-ምግባርን ካልእን’ዩ፡ እዚ ኩሉ ድማ ምሳኺ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ጽባቐኪ
ጽባቐን ዝናን ሂቡኪ። ሎሚ ግን…
- ሎሚኸ?

- ሎሚ ድኣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ባህርያዊ ጽባቐኺ እዚ ተኸዲንክዮ ዘለኺ ክዳን ዝያዳ ጽባቐ


ወሲኹልኪ ኣሎ። ወትሩ ከም’ዚ ኢልኪ ክርእየኪ ከኣ’የ ዝደሊ።
- የቐንየለይ ጂሚ! ደስ ኢሉካ እዚ ክዳን?

- እወ! ጽብቕቲ ጽቡቕ እንተተኸዲና ልዕሊ’ቲ ባህርያዊ ጽባቐኣ’ያ ትጽብቕ። ካብ’ቲ


ነዚ ዝመረጽክሉ ቡቲክ ከኣ ዝደለኽዮ ምረጺ። ንናዱ ዘይከውን ኣይኹን!
- የቐንየለይ ጂሚ! ግን ናትካ ገንዘብ ምስወነንካ ክትገዝኣለይ ይሓይሽ። ሕጂ
ኣይትሰከፍ።
- እንታይ ገንዘብ ተሳኢኑ። እዚ ኩሉ ሱፐርማርኬት ከለኒ እንታይ ተሳኢኑ!?

- ጂሚ፡ ዘይገንዘብካ ገንዘብካ ኣይከውንን’ዩ። እዚ ትብሎ ዘለኻ ገንዘብ ኣቦይ


ኖራይ’ዩ።
- ናይ ኣቦይ ኖራይ ኢልኪ ናድያ? ሓቅኪ ኣለኺ። ዘይረሃጽከሉ ገንዘብ ገንዘብ
ኣይኮነካን’ዩ።
- ከምኡ ኣይኮነን ጂሚ። ኣይትሰከፍ። (? ? ?)
- Scene 144B (ኣክሽን ሌጠ)
- Scene 15
- ሃለው! መን ኢኻ? መርሓባ ጂሚ! ኣይተሓዘለይ፣ ከይርኣኹ’የ ተቐቢለያ። የቐንየለይ
ጂሚ! ምሸት ፐሬድ ስለዘለኒ ዝጥዕመኒ ኣይመስለንን። እቲ ዋጋኸ ክንደይ’ዩ?
ሒዘልካ ክመጽእ ዘይትነግረኒ። በቃ ሕራይ።
- Scene ? (ኣክሽን ሌጠ)
- Scene ?
- ዓብደልዓዚዝ ሓወይ፡ ኣነ ከባኻ ዝሓብኦ ይበለይን። ኣቦይ ዕድል ከሊኡኒ’ዩ።

- እንታይ ይብለካ ኣሎ?

- ተመርዖ ይብለኒ ኣሎ።

- ኣታ ጀማል፡ መርዓ መዓስ ሕማቕ ኮይኑ።

- እወ፣ ግን ሕጸን መርዓን ብዘይ ድልየት’ዩ ዝብል ዘሎ።

- መርዓ ብዘይ ድልየት!? መርዓ ብዘይ ድልየት ከመይ ኢሉ ይኸውን? ምሳኻ


ከይተማኸረ!? ንጓል መን’ዩኸ ዝግድደካ ዘሎ?
- ምኽሪ ኢልካ! ኣቦይ ሓንቲ ዓሻን ጸማምን እንተኾነት’ውን እንተመሪጹዋ
ክትምርዓዋ ጥራይ’ዩ ዘለካ። ነዛ ህጻን ጓል ኣቦይ ኣዳላ’ዩ ደልዩ ዘሎ።
- ጓል ኣቦኻ ኣዳላ? ዘገርም’ዩ! ንኣዴኻን ሓወ’ቦታትካንከ ነጊርካዮምዶ?

- ኣቦይ ኣዳላ ካብ ዘረባ ኣቦይ ኣይወጽእን’ዩ። እንተ እተን ኣንስቲ ግን ኣቦይ


ኣይነግረንን’ዩ።
- እታ ተመሃሪት ንፍዕቲ እንድያ። ካብ ትምህርቲ ክትዕንቅጹዋ?!

- እንድዒ! ኣቦይ ግን ወደይ እንተዀንካ ሕጸኻን መርዓኻን ብሓንሰብ ክገብሮ’የ ይብል


ኣሎ።
- ንስኻኸ ዘፍቀርካያ ኣላትካዶ? መርዓኻ እንተኾይኑ ዝደሊ ዘሎ ጓል እከለ ሕተተለይ
ዘይትብሎ?
- ወላሂ ዓብደልዓዚዝ ሓወይ፡ ኣነ ካባኻ ዝሓብኦ የብለይን። እዛ ናድያ ጓል ኣቦይ
ሳልም’ያ ኣብ ልበይ ዘላ። ንስድራኣ ሕተተለይ እንተኢለዮ ግን ኣቦይ ብዘይካ’ቲ ንሱ
ዝብሎ ዘረባ ካልኦት ኣይሰምዕን’ዩ።
- እሞ ፍቕርኻ ኣብ ልብኻ ጥራይ ድዩ ዘሎ ወይስ ሓቲትካያ ኢኻ?

- ቅድሚ ሕጂስ ኣይሓተትኩዋን። ክሓትታ እደሊ’ሞ… እንድዒ! ሕፍረት ድዩ ፍርሒ


ኣይርድኣንን ከይነገርኩዋ ንፈላለ።
- እንታይ ‘መስለካ ጂሚ ሓወይ፡ እቲ ኣብ ልብኻ ዘሎን ኩሉ’ቲ ዘጋጥመካ ዘሎ
ብድሆታትን ንገራ። እንታይ ከምትብለካ ድማ ስምዓያ።
- ሕራይ፣ በቃ ድልየተይ ክነግራ’የ።

- ኣነስ ከምኡ ይሓይሽ እብል።

- Scene ?
- ሕጂ ጀማል፡ ብሓቂ ንሳብሪን ጓል ኣቦኻ ኣዳላ ክትሕጸ ኢኻ?

- እንድዒ! ይብሉ ኣለዉ። ኣነ ኣይበልኩን። ግን ከኣ ጠባይ ኣቦይ እፈልጦ እንድየ፡


ካብ’ቲ ዝበሎ ፈልከት ኣይብልን’ዩ።
- ከም’ቲ ኣቦኻ ዝበሎ ንሳብሪን ጓል ኣቦኻ ኣዳላ ክትምርዖ ኢኻ ወይስ ንናድያ?

- እንድዒ! ግደፈና ያዓኺ! እዚኣቶም ኣብ ኣየናይ ዘበን ከምዘለና ይፈልጡዶ


ትብሎም? መዋእሎም ጓል ሓወይን ጓል ሓፍተይን ክብሉ!
- ኣነ ከም ርእይቶይ ዕድልካ ባዕልኻ እንተወሰንካ ይሓይሽ ብሃላይ’የ።

- ሰብ ዕድሉ ባዕሉ ንኽውስን ስለምንታይ ዕድል ዘይህቡዎ? ስለምንታይ ኣብ መደቦም


ይቕስቡዎ?
- ድሓር እዚ ጓል ሓወይ ጓል ሓፍተይ ኣባኹም ጥራይ’ዩ ተሪፉ ዘሎ’ምበር ሰብ ቀደም
ገዲፉዎ’ዩ። ደቂ-ሰብ ዕድሎም ባዕሎም ክውስኑ ኣለዎም።
- እዚ ቀሊል’ዩ። ኣነን ናድያን ተሰማሚዕና ኣለና። ዓቕዲ ንኽንገብር ዝኽልክለና ሕጊ
የለን። እንተኾነ ኣብ’ዚ ዓድና ጓል-ኣንስተይቲ ብስምምዕ ቤተሰብ’ያ ትምርዖ።
ኣነ’ውን ብዘይ ድልየት ስድራይ እንተተመርዕየ ንሳቶም ኣይቅበሉዋን’ዮም፣ ንሳ’ውን
ምስኣቶም ክትሰማማዕ ኣይትኽእልን። ሰለ’ዚ ዓቕሊ የድሊ ዓብደልዓዚዝ። በቃ
ሕጂ ኣነ ናብ ድኳን ክኸይድ’የ።
- Scene ? (ኣክሽን ወልወሎት መኪነት)
- Scene ? (ኣክሽን መኪነት ምን ገራጅ ዲብ ትፈግር)
- Scene ? (ተለፎን)
- ሃለው! ኣነ ጥራይ ድየ ዝድወል? ንስኻኸ ቴለፎንካ ምሳኻ የላን ወይስ ቁጽሪ
ቴለፎነይ ጠፊኡካ? ድሓን፡ ነዚታት ግደፎ። ሓድሽ ስራሕ ከመይ ኣሎ?
ይሰማምዓካዶ ኣሎ? ዝካረ ረኺብካ። ጽቡቕ፣ ንስኻ’ውን ትቐስን። ሰራሕተኛ ሰብ
ኣብ ክንዲ ትኸውን ትካለይ አካይድ ኣለኹ ትብል። እቲ ሓሳብ ጽቡቕ ነይሩ። ግን
ምስ ሰባት ኣብ ክንዲ ምሽራኽ ንበይንካ እንተሓዝካዮ ይሓይሽ። ኖኖ፣ በዚታት
ኣይትሻቐል። ዝጎደለ እንተ’ሎ ባዕለይ ይሕግዘካ፡ ድሓር ከኣ ድኳንካ ድኳነይ
እንድኣሉ። በቃ ከምኡ ንግበር።
- Scene ? (ተለፎን)
- ኣብ’ዚ ሕክምና ኦሮታ ሓደ ሓደጋ መኪና ዘጋጠሞ ሰብ ኣሎ ኢሎሞ። ወርሒ
ይገብር።ማህረምቱ ኣብ ርእሱ ስለዝኾነ ኣብ ሾክ’ዩ ዘሎ ኢሎሞ። ሕጂ ጉዳይ ረኺበ
ከይደ ኣለኹ’ምበር ባዕለይ ምኸድኩ። ሕጂ ተቐላጢፍካ ኬድካ ኣረጋግጽ።
እንተ’ርኪበ ድማ ኣብኡ ንራኸብ። (? ? ?) ሃለዋቱ ኣጥፊኡ’ዩ ዘሎ
- Scene 322/324
- ባዕልኻትኩም እንዲኹም ተወሃሂብኩም ሕጂ ጉዳይኩም ከመይ ኮይኑ?

- ጃብር ሓወይ ውዒኻ! ሕጂ ድማ ብዘይካ ናትካ ተሳትፎን ሓገዝን ዝኸውን ነገር


ስለዘየለ ሓገዝካ ንደሊ ኣለና።
- ኣብ ምንታይ’የ ዝሕግዘኩምን ዘማኽረኩምን?

- ራየት እንታይ ትብል ኣላ ‘መስለካ…

- እንታይ ትብል ኣላ?

- ሓድሽ ቅድመ-ኩነት ኣምጺኣ ኣላ። ሕጂ ንዓኻ ስለትሰምዓካ ተዛረባ።

- እንታይ ቅድመ-ኩነቱ’ዩ?

- ኖራይ ንወዱ ሳብሪን ከመርዑ እንተኾይኑ ንሕና ድማ መንሱራ ጓሎም ንመሱር


ወድና ትወህበና ትብል ኣላ። ኖራይ ግን ነዚታት ዝቕበሎ ኣይመስለንን።
- ኣነ ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም እንድየ። ካባኻትኩም ኣንስቲ ይሕሻ። ራየት ጽቡቕ ኣላ።
ከም’ዚ እንተዘይጌርኩም መን’ዩ ንመንሱር ጓሉ ዝህበኩም?
- እሞ ንዓኣ እንተዘየስማዕካ ንኖራይ ኣረድኣልና።
- ስምዓኒ፡ ኣነ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎና ኣይትእቶ ተባሂለ’የ። ሕጂ ድማ ናብ ኖራይ
ኣይከይድ ናብ ራየት!
- ዶ?

- እንዳ ኣዳላ ጽቡቕ ኮንኩም። ሕጂ ክመርረኩም የብሉን።

- እንታይ ክትብል ደሊኻ ኢኻ?

- እወ፡ ኣነ እዛ ጓልካ ቅድሚ ኖራይ ንወደይ ክትወህበኒ ሓቲተካ’የ። ግን…

- ግን ግን ኣይትበል! እንታይ ክትብል ደሊኻ?

- ንስኻ ግን ንኖራይ ሂብካያ። ሕጂ ተቐበሎ።

- ጃብር፡ ኣብ ልዕለይ ሸሸይ ኣይትበል፡ ነገር ኣይትድለየኒ እብለካ ኣለኹ።

- ኣነ ነግራም ኣይኮንኩን። ጓልካ ንዓይ ከእካ ንኖራይ ኣሕሊፍካ ሂብካያ እብለካ


ኣለኹ።
- ኣን! ንስኻ ነገር ደሊኻ ኢኻ ንግሆ ምድሪ መጺእካኒ ሙሽ?

- እዚ ነገር ኣይኮነን፣ ሓቂ’ዩ። ንዓኻን ንኖራይን ድማ ክንርእየኩም ኢና። ብሓቂ በዓል


ጽቡቕካ እንተኮይኑ ሕጂ ጓሉ ይሃብካ።
- ኣታ ጃብር ኣደብ ግበር። ነገረይ ትደልየኒ ኣለኻ። ግደፍ ኣይትጋገ።

- ኣይተጋገኹን። ንስኻን ሓውኻን ኣግሊልኩምኒ ኢኹም።

- ጃብር ክብረትካ ሓሉ። ግደፈኒ ግደፈኒ እብለካ ኣለኹ።

- ግደፈኒ ትብል ኣታ ሕማቕ፣ ድንዙዝ!

- ንዓይ ድንዙዝ? ድሓን! እዚ ቦታ ባእሲ ኣይኮነን፣ ድሓን።


- Scene 198
- ናድያ ንኺድ መኪና ትመጽእ ኣላ።

- እሞ ነዚ ድኳን ክትዓጽዎ ኢኻ?

- 10 ደቒቕ እንተተዓጽወ ጸገም የብሉን። ምሉእ መዓልቲ ተኸፊቱ ይውዕልዶ የለን።

- ንዝገበርከለይ የቐንየለይ ጂሚ ሓወይ! ድሕሪ ሕጂ ድማ ዘድልየኒ ስፐዛ ካባኻ


ክወስድ’የ።
- ከም ድላይኪ! ኣነስ ነዚ ወትሩ ሕጉስ ገጽኪ ክርኢ እንታይ ከፊኡኒ!

- ከም’ዚ ሎሚ ዝገበርካዮ ትገብር እንተዀንካ ግን ድሕሪ ሕጂ ኣይመጽእን’የ።

- እዚ ናይ ሎሚ እንግዶተይ’ዩ። ናይ ድሕሪ ሕጂ ድማ ሽዑ ንርእዮ።

- ደሞዘይ ኣብ ካልእ ድኳናት ከጥፍኦ ስለዘይደለኹ’የ።

- ሓቕኪ ኣለኺ። ጸጽቡቑ ንዓና ይብል ኣቦይ!

- ንስኻ ወዲ ኣስመራ እንከለኻ ነዚ ምስላታት ብኸመይ ኣጽንዕካዮ?

- ግደፊ ምስላታት ትግረ’ውን ትጽግመኒ ኣላ። ሕጂ መኪና ትጽበየና ኣላ ንኺድ።

- ሕራይ።

- መርሓባ! ከመይ ኣለኺ?

- ማሽኣላ!

- እንታይ ድኣ ደሞዝኪ ኩሉ ኣብ ድኳን ጀማል ወዲእኪዮ?

- ኔው በሎ! ደሞዘይ ሓንቲ ከየልዓለሉ ኩሉ ባዕሉ’ዩ ብናጻ ሂቡኒ። ድሕሪ ሕጂ ናብኡ


ገጸይ ተንከስ ኣይብልን’የ።
- ንዓና ግን ማስቲካ’ውን ብናጻ ሂቡና ኣይፈልጥን’ዩ።

- ዓብደልዓዚዝ፡ ካብ ስራሕ ናጻ እንተዀንካ ኣብ’ዚ ድኳን ዘይትጸንሓኒ።

- ሕራይ፡ ጸገም የለን፣ እጸንሓካ፡


- Scene 198 (ካልኣይ ዶል ድግምት ህሌት ኣክሽን ሌጣ)
- Scene 54
- ሰላማት!

- መርሓባ! መርሓባ! ዓለይኩም ወሰላም!

- ጂሚ ከመይ ኣለኻ? እቲ ስፐዛ ተዳልዩዶ ኣሎ? ደንጒኻ።

- እወ፡ ተዳልዩ ኣሎ፣ እንኪ። ገንዘብ ግን ቀስ ኢልኪ ትህብኒ።

- ቀስ ኢልኪ ዝብሃል የለን። ክንደይ’ዩ ብጅምላ?

- እንታይ ገዲሱኪ! ድሓር ኣብ ሃዋኪል ምስ ተራኸብና ትህብኒ።


- ንራኸብ ኣይንራኽብ ኣይፍለጥን’ዩ። ሕጂ ጥራይ ሕሳብ ግበር። ድሓር ድማ
ተላኢኸ’ምበር መዓስ ባዕለይ እገዝኦ ኣለኹ።
- 460 ናቅፋ! እቲ ፌስታኸ ናይ ምንታይ’ዩ?

- ሽዑ ምስ መጻእካ ትርእዮ።
- Scene ?
- ኣነ ዝፈርሕ ዘለኹ፡ ኣቦይ እቲ ኩሉ ንመርዓ ኢሉ ዝጓርተሎም ዝነበረ ኣቚሑ
እንተመሊሶምሉ ክሓምም’ዩ።
- ንምንታይ ይሓምም? መርዓ እንተፈሺሉን ንብረቱ እንተተመሊሱሉን እንታይ
ክሳራ ኣለዎ?
- ኣቦይ ክሳብ ሕጂ ተስፋ ኣይቆረጸን። ኣነ ንሳብሪን ምእንቲ ክምርዖ ንመንሱራ
ሓፍተይ ክህቦም ይሓስብ ኣሎ።
- ናይ ኣቦኻ ንበይኑ’ዩ።
- Scene 127
- ወላሂ ዓብደልዓዚዝ ሓወይ፡ ኣነ ካባኻ ዝሓብኦ የብለይን። ኣቦይ ንጓል ኣቦይ ኣዳላ
ከመርዕወኒ ዝሓስብ ድቃስ ስኢኑ ኣሎ።
- ድሓን ጀማል፡ ንስኻ ጥራይ ኣብ ሓሳባትን ሻቅሎትን ኣይትእቶ። ኣብ መጠረሽታ
ድማ ካብ’ዚ ክልተ ግንባራት ሓዲኡ ክዕወት’ዩ።
- ንሕና ግን ናትና ዓወት ጥራይ’ዩ ዘገድሰና።

- እዚ ድኣ ፍሉጥ እንድዩ። ንሕና ክንዕወት ኢና።

- ብኸመይ?

- ከመይ ዝብል ለባም! ጓል ንኣደኣ እንተዘየፍቲኻ ዋላ እንተዓበድካ ኣይትረኽባን


ኢኻ።
- ኣሞይ ራየት ቅድሚ ሕጂ ንጓላ ብዘይ ድልየታ ስለዝተመርዓናያ ንሕጂ ካልኣይ ግዜ
ጓላ ክትህበና ኣይትኽእልን’ያ።
- እሞ ድልየትና ንሱ’ዩ። ኣሞኻ ራየት ነዚ መርዓ’ዚ ክትቅበሎ መን ደልዩዋ? ንሕና
ድማ ነቶም ግንባርና ዘደልድሉን ነዚ መርዓ’ዚ ዘፍሽሉን ከም በዓል ኣሞኻ ራየት፡
ኣቦኻ ጃብር፡ ጀሚላ፡ መንሱርን ካልኦትን ኣለዉና።
- ኣቦይ’ውን ናቱ ብርቱዕ ግንባር ኣለዎ። ንሱ ድማ ኣነ ዝበልኩዎ ይኹን ዝብል
ግንባር’ዩ። ግን ተስፋይ ካብ ኣቦይ ሮመዳን’ዩ። ምኽንያቱ ንሱ ነዚ መርዓታት
ቤተሰብ ኣይድግፎን’ዩ።
- ድሓር ሕጂ ጥራይ ንስኻ ህዳእ። ንሕና ንኹሉ ክንርእዮ ኢና።

- ግዜ ይኸደና ኣሎ። ሕጂ ንዓናይ ንእግረ-መንገደይ ኣብ ድኳን ከብጽሓካ።


- Scene 403
- ኣቦኻ ሕጂ’ውን ዝገድፈካ ኣይመስለንን።

- እንታይ ክገብር? ድሕሪ ሳብሪን ናብ ካልእ ጓል ክወፍረለይ? ሳብሪን ካብ እንዳ ኣቦይ


ጃብር ስቕ’ያ ኢላ ተመሊሳ።
- ንሱ ንግደፎ። ኣቦኻ እንታይ ይኸውን ኣሎ? እንተወሓደ ከየማኸረካ ባዕሉ ይውስን?

- እንታይ ከማኽር!

- ናይ ኣቦኻ እንድዒ ምርዳእ ኣብዩና ኣሎ። ድሓን ንስኻ ብዙሕ ኣይትሻቐል። ነፍሲ-
ወከፍና ዐዕድሉን ጸጽሕፍቱኡን’ዩ ዘልዕል። ዘይጽሕፍቶኻ ድማ ኣይትመጽኣካን’ያ።
- ሓቅኻ ኣለኻ። ንኣቦይ ረቢ ናብ ጽቡቕ ይምለሶ ጥራይ በል።

- ይኣኽለናዶ? ንኺድ።
- Scene 104
- ዘገርም’ዩ! ንስኹም ሓደ ዓይነት ጽማቕ ጠሊብኩም። እዚ ፍልልይ
ኣይጠቕመናን’ዩ።
- ትቐንእ ኣለኻ።

- ብመን ኣታ?

- ብናድያ።

- ረስዕካያ ዲኻ ከፋልጠካ። ጓል ሓወ’ቦይ’ኳ’ያ።

- መርሓባ!
- መርሓባ!

- እዚኣ ጀሚላ ትብሃል መሓዛይ’ያ፣ ዓብደልዓዚዝ ወዲ ሓወ’ቦይ’ዩ። ጂሚ ድማ


ዓርክና’ዩ።
- ጽቡቕ ዕድል!

- እንታይ ትሰትዪ?

- ኖኖ፣ በቃ!
- Scene ?
- ናዱ ሓፍተይ፡ እዚ ኩሉ ሓደ’ዩ። እንታይ ክንጠልብ ይሕሸና?

- ንስኺ ተዘክሮታትኪ ተሐድሲ ኣለኺ። ንሕና ድማ ብጥሜት ሜትና።

- ኣሃ! ጀሚላ እንታይ መሪጽኪ?

- ንዓይ ሃምበርገር ይሕሸኒ።

- ንዓይ’ውን ንሱ ይሕሸኒ።

- ስምዕኒ፡ ኣቦኺ ኖራይ ካብ ሕክምና ሓውዩ ወጺኡ ኣሎ ኢሎሞ። ብጽሕዮ።

- ወለደይ ኣብ ሕክምና በጺሖሞ ነይሮም። ሕጂ ድማ ኣቦይ ከይዱዎ ኣሎ።

- ኣይተዓሽዊ ናድያ። ናትኪ ምብጻሕ ኣገዳሲ’ዩ። ኣብ ጎድኑ ኮፍ ኢልኪ ኢዱ ስዕም


ተብልዮ። እንተኺኢልኪ ድማ ቁሩብ ንብዓት ተርእይዮ። እንታይ ትኾኒ ኣለኺ? እዚ
ጥፊኡኪ?
- ኣነ ነዚ ድራማታት’ዚ ኣይፈለጥኩዎን’ምበር ምብጻሕሲ ሓሲበዮ ነይረ እየ።

- ኣሞይ ራየት ጓላ ኣይትህቦምን’ያ። እንተሓመቐት ትምህርታ ትቐጽል


ክትብሎም’ያ። ንሳቶም ከኣ ዝጽበዩ ኣይመስለንን።
- ሓቅለ ኣለኺ። ንሳ’ውን ከምኡ ኢያ ኢላ። እቲ ሕጸ ድሓን፣ እቲ መርዓ ግን ይጽናሕ
ኢላ ነይራ ኢሎማ።
- ኣቦይ ኖራይ ክጸበዮም ኣይክእልን’ዩ። ኣብ ልቡ እንተተመልሰ’ሞ ንጀማል ዕድልካ ርአ
እንተዝብሎ፡ ጀማል ካባኺ ሓሊፉ ዝጥምታ ጓል ሄዋን የብሉን።
- ጀሚላ ሻጥር ኢኺ። ነዛ ዝበልክኒ ስልቲ ክንፍትና ኢና።

- ሕጂ ወለደይ ናብኦም ከይዶም ኣለዉ ኢልክኒ?


- እወ፣ ቅድሚ ሕጂ’ውን በጺሖሞም ነይሮም።

- እዚ ሰብኣይ’ዚ ኣምና ነቓጽ ኮይኑ’ምበር ካብ’ዚታት ተበጊሱ ኣብ ክንዲ ሳብሪን


ናድያ ምበለ። ግን ደረቐኛ’ዩ።
- ኣቦይ ኖራይ!
- Scene 25/27
- እወ፡ እዚ ወደይ ንፉዕ፡ እንዳ ኣቦኻ ኣዳላ ካብ ዘይንበጽሖም ደርጋ ሰሙን ጌርና
ኣለና። ኣቦካ ጃብር’ውን ሎሚ ክመጽእ’የ ይብል ነይሩ።
- በቃ ሰላም በለለይ። እንታይ ድኣኸ ብመኪና ዘየብጸሓካ? (? ? ?)

- ኖኖ፣ ታክሲ ይወስድ። ድኳን ዓጺና ከመይ ጌርና ንኸይድ? (? ? ?)

- ታክሲስ ደሓን’ያ። ካብ ባሳት ታክሲ ትሓይሽ።

- እወ፣ ሓቅኻ ኣለኻ። ንእሽቶ እግራ ስልጥቲ’ያ።

- ንእሽቶ እግራኸ እንታይ’ያ ኣቦ።

- እዋይ ጀማል ወደይ፡ እዚ ኣብ ከተማ ምዕባይ ሃስዩኩም። ክሳብ ሕጂ ንእሽቶ እግራ


ኣይትፈልጥን?
- ንእሽቶ እግራ እንታይ ክብላ’የ? ብሽክለታ ድያ ወይስ ሞቶ?

- ቀደም ኣብ ዓዲ ከለና ንጤለ-በጊዕ ኢና ንእሽቶ እግራ ንብለን ዝነበርና።

- ሕጂኸ ነዘ ተሽከርከርቲ ንእሽቶ እግራን ዓባይ እግራን ኢልኩመን?

- እወ፣ ሕጂ ኣብ ከተማ ንታክ Scene ቶዮታን ኪያን ንእሽቶ እግራ ኢና ንብለን።

- በቃ ትኸይድ እንተለኻ ሰላም በሎም። ንሳምያ ድማ ስዓመለይ ኢኻ።

- ስለምንታይ ንሳብሪን ዘይበልካ? ንሳ ትዓቢ፣ ንሳ ድማ ትቐርበካ።

- ሳብሪን ስለዝዓበየት ደሓን ደሓር ንሳን ትምህርታን፡ ብዛዕባ ምቕራብ እንተኾይኑ


ድማ ክልቲኤን ሓደ’የን ዝብጸሓኒ። ደቂ ሓወ’ቦይ እንድየን።
- ረሲዔልካ ነይረ፡ ክልተ ችኮላታ ሃበኒ። ሳምያ ብመሰረቱ ኣይተእትወንን’ያ።

- ንሳምያ ባዕልኻ ኢኻ ችኮላታ ኣልሚድካያ።


- ሕጂ ዓብያ’ምበር ቀደም ናብ ገዝኦም እንተኸይደ ጁባይ ትጉርጉረኒ ነይራ። ሕሳብ
ክንደይ ኢዩ?
- ናይ ምንታይ ሕሳብ’ዩ ኣቦ?

- ናይ’ዚ ንእንዳ ኣቦኻ ኣዳላ ንወስዶ ዘሎና ስፐዛ። ድኳን ዋላ ባዕልኻ እንተወሰድካሉ
ሕሳቡ ኣብ ካሳ ክኣቱ ኣለዎ ጀማል ወደይ።
- ኣቦይ ኣይትርስዕን ኰንካ’ምበር ኣነስ ኩሉ ግዜ እየ ዝርሰዖ።

- ከም’ዚ እንተዘይጌርካ መኽሰብካን ክሳራኻን ከመይ ጌርካ ክትፈልጦ ኢኻ?

- በቃ ከይደ።

- ኣቦ፡ ናይ ምሸት ኣብ ኢንተርኔት ቆጸራ ኣለኒ፣ ቀልጢፍኩም ተመለሱኒ።

- ትገርሙ ኢኹም ደቂ ዘበን! እዚ ኢንተርኔታት ምስ ኣዋልድ ክተዕልሉሉ ዲኹም


ትኸዱዎ?
- ኩሉ ምስ ግዜ’ዩ ዝኸይድ ኣቦ። ድሓር ካብ ዱባይ ኣቚሑ መጺኡ ኣሎ ስለዝበሉኒ
ብዛዕብኡ’የ ዝኸይድ ዘለኹ።
- ድሓን በል፣ ከምኡ እንተኾይኑ ረሲዔዮ እየ’ምበር ከምኡ ግበር። እዚ ኢንተርኔት
ካብ መገሻ፡ ሆቴላታን ክሳራን ኣድሒነትና ኣላ ጀማል ወደይ። ከይደ ድሓን ውዓል።
-
- Scene 219
- ሳልም፡ ጎሮቤት እንተዘይጠሊሙ ይፈልጥ ይባሃል፡ ኩነታተይን ኩነታት ኣሕዋተይ
ፈሊጥካ ዶ? (? ? ?)
- ወላሂ ኣዳላ ኩሉ ነጊሩኒ’ዩ። ንስኻ ጃብር ግን ምስኣቶም ኣብ ቅርሕንቲ ኣይትእቶ፡
እንታይ ገዲሱካ!
- ሳልም፡ ንስኻ’ውን ምስኦም ተመሻጢርካ ኔርካ ማለት’ዩ።

- ኖኖ! እንታይ ትብል ኣለኻ ጃብር! ንዓይ ኩልኹም ሓደ ኢኹም ትብጽሑኒ። ድሓር
እዚ ኖራይ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ሳላኻ ምዃኑ ባዕሉ ኣዳላ ነጊሩኒ’ዩ።
- ከምኡ ኢሉካ’ምበኣር። ኣዳላ ምስኪንዩ፣ ዝገበርኩሉ’ውን ኣይርስዖን’ዩ። ግን
ብኖራይ ይምራሕ ኮይኑ። ኖራይ ድማ ከጽድፎ’ዩ።
- ንዓይ’ውን ኣዳላ’ዩ ኣብ’ቲ ሕጸ ዓዲሙኒ ዝነበረ። ግን ኣይጥዓመንን።

- እንቋዕ ኣይከድካን! ምስኪናይ ኣዳላ ምስ’ቲ ዘለዎ ጸገም መነባብሮ ዝተፈላለየ


ነገራት እናመጠዉ፡ ፈለማ ነታ ዘኽታም ጓል ብኢድ ዋኒኑ መንጢሉዎ፣ ሕጂ ድማ
ነዛ ኣብ ገዛ ዘላ ሳብሪን ይደሊ ኣሎ።
- ንሳብሪን በዲሎማ’ዮም። እዛ ቈልዓ’ዚኣ ተማሂራ ስድራ ክትጥውር ትሓልም
ዝነበረት’ያ።
- ኣብ’ዚ’ኳ ምሳኻ ኣይሰማማዕን’የ።

- ከመይ?

- ጓል እንተተማሂራ ኣገልጋሊት እንዳ ሓሙኣ ኢያ’ምበር ንስድራኣ ኣይትሕግዝን’ያ።

- እንታይ ትብል ኣለኻ ጃብር? እንታይ ኮይና ጓል ንስድራኣ ዘይትኸውን? ትርእያዶ


የለኻን ናድያ ጓልና ተማሂራ ሎሚ ንነብሳን ንዓናን ኮይና ዘላ።
- ዶ? ትሕግዘኩም’ያ በለኒ።

- ከመይ ድኣ!

- ሕጂ ምስ ተማህረት ዘይተመርዕዋ፣ እንታይ ትጽበዩ ኣለኹም?

- ወላሂ ክነመርዕዋ ኣይምጸላእናን። ግን ዕድለይ ባዕለይ’የ ዝውስን ስለዝበለት ንጸብያ


ኣለና። እምበር ክንደይ ሃብታማት፡ ክንደይ ምሁራት ሓቲቶምና ኢዮም።
- ደቂ ሎሚ ከምኡ’ዮም። እዚ ንጓል ኣዳላ ክምርዓ ዝግድዱዎ ዘለዎ ጀማል ወዲ
ኖራይ’ውን ዕድለይ ባዕለይ ክውስን’የ ኢሉዎም ኢሎሞ። ኣብ’ዚ ከኣ ኣነ ኣብ ጎድኑ
ጠጠው ክብል’የ። ስለምንታይ እንተኢልካ፡ እዞምም ተንኮለኛታት ምእንቲ
ክፈሽሉ።
- ጃብር፡ ንስኻ ኣብ ቅርሕንቲ ኣይትእቶ። ንሕና ዓበይቲ ሰባት ኣኪብና ክንነግሮም
ኢና።
- ኣነ እገድድ! ነዚኦም ፋሕ ብትን እንተዘየቢለዮም ክትርኢ ኢኻ።

- ከምኡ ኣይግበርን’ዩ፣ ከምኡ ኣይትግበር።

- ንዓናይ ጥራይ ንኺድ።


- Scene 160
- ናድያ፡ ብላሽ ኢኺ ንስኺ። ብሰንኪ ዛሕልኺ ጀማል ገዲፉኪ ናብ ጓል ሓወ’ቦኡ
ክኸይድ’ዩ።
- እንታይ’ሞ ዘይገበርኩ ጀሚላ ሓፍተይ! ንሶም ይግድዱዎ ኣለዉ’ምበር ንሱ ድልየት
መዓስ ኣለዎ።
- ኣቦይ ኖራይ መንግስቲ’ዩ። ንሱ ዝበሎ’ምበር ሰብ ዝበሎ ንዕኡ ቦታ የብሉን።

- ምስኪናይ ጀማል! እዚታት እንድዩ ኣዋጢሩዎ ዘሎ። ድልየቱ ድዩ ከማልእ ወይስ


ድልየት ኣቦኡ ከተግብር እንድዒ።
- በዓል ኣቦይ ኖራይ ኣብ ዝኣረገ ዘበን’ዮም ዝነብሩ ዘለዉ ምስ ዓውለማ
ኣይከዱን’ዮም።
- እንታይ ግሎባላይዘሽን ኣፍሊጡዎም! ንሳቶም ዝበሉዋ ክትከውን ኣለዋ፣ በቃ!

- ኣጆኺ! ሕጂ ኣነ ከዐውተኪ’የ።

- ንኣቦይ ኖራይ ይትረፍ ንስኺ ጀማል’ውን ኣይክኣሎን።

- እንታይ ናብ ኣቦይ ኖራይ ዘብጽሕ ኣሎኒ? ኣሞይ ራየት፡ ሳብሪንን መንሱርን ኣብ


ጎድነይ ጠጠው እንተኢሎም ከምንዕወት እኣምን’የ።
- ድሓን፡ ረቢ ይሓግዝኪ!
- Scene 183
- እዚኣቶም ጠሊሞምና’ዮም ‘መስለኒ። ደቂ-ተባዕትዮ ኣይእመኑን’ዮም።

- ኣይትበሊ ጀሚላ! በዓል ጂሚ ነዚታት ኣይፈልጡዎን’ዮም። ግዜ ምስ ኣኸለ ደበኽ


ክብሉና’ዮም።
- በቃ! ብጂሚ ዝመጽኣኪ ኣይትቕበልዮን ኢኺ።

- ጀማል ጥራይ መዓስ ኮይኑ። ዓብደልዓዚዝስ ምስኡ እንድዩ ዘሎ።

- እሞ ካብ ንመጽእ ክንደይ ጌርና? ፍርቂ ሰዓት ጌርና ኣለና።

- ንሕና ኢና ተጋጊና። ይጽበዩና ስለዝነበሩ ናብኦም ኬድና ምስኦም ክንመጽእ


ነይሩና።
- ኣነ ካብ ብመኪና ብእግረይ ክኸይድ’የ ዝፈቱ። ብእግርኻ ምኻድ ጥዕና ኣለዎ።
- ንሱሲ ሓቅኺ። መንሱር’ውን ምስኣቶም ይመጽእ ይኸውን’ዩ። ጀማል ካብ መጠን
ንላዕሊ’ዩ ዝፈትዎ።
- መንሱር ኢልኪ? መንሱር ወዲ ኣቦይ ኣዳላ ምስኣቶም ክመጽእ’ዩ? እዉይ! እንታይ
ጌርናኪ ጓለይ። ኦፋይ!
- እንታይ ድኣ ኢኺ ኡፍን ኦፋይን ትብሊ? መንሱር ላባም ሰብ’ዩ። ሰብ ግን ስቕ ኢሉ
ይንዕቆ።
- ኣነስ ኣይፈትዎን’የ። ዕዋላ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ።

- ኖኖ! ሰብ ስኢኑ’ምበር ዕዋላ ኣይኮነን። ጀማል’ውን ንፉዕ ቆልዓ’ዩ ይብል ነይሩ።

- ጀማል እንተፈትዩዎ’ኮ ብሓቂ ንፉዕ ሰብ’ዩ ማለት’ዩ። ድሓር ሰብ ቕቕ ኢሉ ገንዘብ


ይብል ኮይኑ’ምበር ልቦናን ጥዕናን እንተሎ ገንዘብ ይመጽእ’ዩ። ሓቂ ይሓይሽ ከኣ
ትርኢቱ ኣይጸላእኩዎን፣ ኣዝማሪኖ’ዩ።
- ኣዛማሪኖ ኢልኪ? ሓቅኺ! መንሱር ከም’ቲ ሰብ ዝብሎ ኣይኮነን። ዕድል እንተረኺቡ
ሰብኣይ’ዩ።

Scene 401

- ኣቦኻ ምስማዕ ኣብዩና። ንሕና ግን ዝከኣለና ክንገብር ኢና። ንስኻ ዘርሞ-ዘርሞ


ከይትተርፍ ድማ ነታ ኣፍቂርካያ ዘለኻ ናድያ ክንሓትተልካ ኢና።
- ሓቂ ይሓይሽ ነዛ ናድያ ጓል ኣቦይ ሳልም እፈወትዋ’የ፣ ንሳ’ውን ትፈትወኒ። ናይ
መጻኢ ዕድለይ ድማ ኣብኣ ይሙርከስ።
- እሞ ንሕና ምስ ኣቦኻ ተላዚብና ከምኡ ዘይንገብር? መርዓ ሳብሪን ካብ ቀደምና
ኣይደገፍናዮን። መጀመርታ ፈሺሉ፣ ሕጂ’ውን ፍሹል’ዩ።
- ኣቦይ ሮመዳን እዚ መርዓ ሳብሪን ብወገን ኣቦይ ገና ኣይፈሸለን። ሕጂ’ውን ሰበይትኻ
ንሳ’ያ እናበለ ኣጽቢቡለይ ኣሎ። ኣብ መዋጥር ኣትየ ኣለኹ።
- ዘገርም’ዩ። እትፈትዋን እትፈትወካን ጓል እንከለትካ ንምንታይ ናብ ዘይትድልያ ጓል
ይግድደካ ኣሎ?
- ኣቦይ ዋላ ንሳብሪን እንተገደፋ ካብ ደቂ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ከርሕቕ ኣይደልን’ዩ።
ሕጂ’ውን እንዳ ሳልም መዋስብትና ኣይኮኑን’ዩ ዝብለካ።
- ድሓን፣ መዋስብትና መን ምዃኖም ባዕልና ንፈልጥ። ንኖሪት’ውን ብግዲ’ዩ ንወዱ
ኣመርኦዩዋ። ሕጂ ድማ ሓውኻ ገዲፉዋ ናብ ካልእ ሰበይቲ ከይዱ። ብዘይ ድልየት
ድማ ዝኸውን የለን።
- እሞ ኣቦይ፡ ጀማል ጓል ኣፍቂሩ ኣሎ እንተኢልኩሞ ምሳኹም ክብኣስ’ዩ። ኣነ
ንውሳኔ ንኣቦይ ከኽብር እናደለኹ ንሱ ካብ ድልየተይ ይሕርመኒ ኣሎ።
- ድሓን፣ እንቋዕ ነጊርካና። እንተሰሚዑና ክንሕብሮ ኢና፣ እንተዘይኮነ ግን ካልእ
መንገዲ’ውን ኣሎ። ብዝኾነ ደውለለይ ኢኻ።

- Scene (እምበል ዕልብ እብ ተለፎን ተአሰብዴ)


- ሃለው! ኩነታት ጽቡቕ ኣሎ። እወ፣ ተስፋ ኣሎ። ንስኺ ጥራይ ዕድል ሃብኒ። ስምዕኒ
ናድያ፡ ከም ቀደምና ይሕሸና፣ ተዓገስኒ። ኣይተዋጥርኒ፣ ሃለው! ሃለው!...

- Scene 420
- ጀማል፣ ከም’ቲ ዝበልኩካ ግበር። ኣነ ናብ ኣቁርደት ክገይሽ’የ።
- ኣብ ኣቚርደት እንታይ ኣሎካ፣ ድሓን?
- ድሓን’ዩ፣ መርዓ’ዩ።
- መርዓ ኢልካ? ቅድሚ ሕጂ ሙሽ መርዓ ኣለኒ ኢልካ ናብ ተሰነይ ኬድካ ኔርካ?
- በዚ ትግረም እንተሃሊኻ ዝመጽእ ሰሙን’ውን ኣብ ባጽዕ መርዓ ኣለና።
- ንስኹም ኣብ ክንደይ ቦታ ኢኩም ዘለኹም?
- ንሕና መውስቦና ሰፊሕ’ዩ። ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኩሉ ኣለና። ከማኹም ኣብ
ውሻጠናን ጎዶቦናን ሕጹራት ኣይኮንናን።
- ሓቕካ፣ እዚ ካብ ውሻጠ ዘይሓልፍ መውስቦ መወዳእትኡ ባእስን ግርጭትን ኣብ
መንጎ ኣሕዋት ይኸውን’ዩ።
- ሕጂ ጀማል፡ ዕርክነትይን ዕርክነትካን ክድልድል እንተኾይኑ ነዛ ናድያ ሓዲኡ
ኣፍልጣ። ዘርሞ-ዘርሞ ኣይትግደፋ።
- እንታይ ኮይና ዘርሞ-ዘርሞ ትኸውን? ዘረባኻ ይርድኣኒ የለን ዓብደልዓዚዝ።
- እወ፡ ናድያ ንዓኻ እናተጸበየት ካብ ክንደይ ምሁራንን ሃብታማትን ተሪፋ ኣላ፣ ንስኻ
ግን…
- ንስኻ ግን? እንታይ ክትብል ደሊኻ ዓብደልዓዚዝ? ሎሚ እንታይ ድኣ ሎሚ
ብዘይምጻእ መጺእካ? ዝሓለፈ ዕርክነትካ ከመይ ጌርካ ትርሰዖ።
- ኣነ ንዝሓለፈ ዕርክነትናን ሕውነትናን ኣይረሰዓኩዎን። ግን ከኣ ኣብ መጠረሽታ ሰብ
ናብ ሰቡ’ዩ ዝጽጋዕ። ኣብ መወዳእታ ንሓፍተይ ክጣበቐላ ባህርያዊ’ዩ።
- ንሓፍተይ ኢልካ? ድሓን፣ ሰሚዔካ ኣለኹ። ክንዲ ሓውን ዓርክን ዝነበርካ
ዓብደልዓዚዝ ኣጓኒኻኒ! ካባይ ንናድያ ኣቕሪብካ?!
- ሓቂ እንተደሊኻ ናድያ ሓፍተይ’ያ። ኣብ መንጎ ተንጠልጢላ ክትነብር ከኣ
ኣይደልን’የ።
- ክትፈልጥ ኣነ ብዘይ ናድያ፡ ንሳ ድማ በዘይ ጀማል ሂወት የብልናን። ሕጂ ድማ
ድሓን፣ እዚ ቃል’ዚ ካባኻ ኣይተጸበኹዎን ዓብደልዓዚዝ።
- ጀማል ኣይትሕረቕ። ክትሓርቕ ኢለ ኣይኮንኩን ዝዛረበካ ዘለኹ። ክተሓስበሉ
ኢለ’የ። ሕጂ ግደፎ፣ ንስተ ጥራይ፡

- Scene 421
- ኣነ ኩሉ ግዜ እየ ክሓትተካ ዝደሊ። ናትኩም ጉዳይ የተሓሳስበኒ ኣሎ። ስለምንታይ
ኢኹም ኣብ ሓድሕድኩም ትሕጸሩ? ስለምንታይ ምስ ካልእ ቀቢላ ዘይትዋሰቡ?
- መውስቦ ምስ ካልእ ቀቢላ ሕጂ ኣነ ክፍልሞ’የ።
- እወ፣ ሰብ ብኸምኡ’ዩ ምስ ሰብ ዝተሓዋወስን መውስቦኡ ድማ ዝስፍሕን።
- እዚታት ክሳብ ሕጂ ኣባና ኣይነበረን። ዝያዳ ድማ ኣቦይ ካብ ዓንኬል ቤተሰቡ
ከይንወጽእ’ዩ ዝጽዕር። እዚ ግን ውጽኢቱ ባእስን ቅርሕንትን ኣብ መንጎ ኣዝማድ
ኮይኑ።
- እቲ ባእሲኸ እንታይ ኣምጽኦ?
- ንሕና ከም’ቲ እትፈልጦ መውስቦና ደቂ ሓወ’ኣቦይ፡ ኣኮይ፡ ሓትነይ፡ ኣሞይ እናበልና
ኢና ንቕጽሎ። እዚ ድማ ነቶም ክልተ ኣሕዋት ክንዲ ኣሕዋት ሓማውቲ
ይገብሮም። ኣብ መንጎ ሓማውቲ ግጭት ክልዓል ድማ ባህርያዊ’ዩ። (? ? ?)
ኣሕማ
- እሞ ንስኻትኩም ገና ኣብ ጸቢብ ዓንኬል ኢኹም ትነብሩ ዘለኹም።
- እወ፣ ጸቢብ እንተበሉኻኸ! ጸቢብ ምስ ግርጭቱ’ምበር!
- እዚ ግን ጽቡቕ ኣይኮነን ጀማል፣ መርዓ ድማ ዕድልን ጽሕፍቶን’ዩ። ነፍሲ-ወከፍ ሰብ
ድማ ምስ ዝፈትዎ ክዋሰብ ኣለዎ።
- ሓቅኻ። ኣነ ነዚ መርዓ’ዚ ከይኣተኹዎ ተማሂረሉ ኣለኹ።
- በቃ! ከም’ቲ ዝበልኩኻ ንስኻ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክትወስን ኣለካ።
- እንሸኣላ! (? ? ?)
- ሕጂ ይኣኽለና፣ ሰዓት ክንደይ ኮይኑ?
- በቃ ንኺድ።

- Scene 578
- ጀማል፡ እዚ ዕድመ’ዚ ናይ ዓብደልዓዚዝ ወዲ ናፍዕ’ዩ፣ ፈሊጥኩም ኣለኹም?
- ኖኖ! እዚ ዕድመ’ዚ ናይ’ዚ ሓድሽ ኣባል ማሕበርኩም መንሱር ወዲ ኣዳላ’ዩ።
- ንስኻ መንሱር ካብ መዓስ ወዲ ማሕበርና ኰንካ? መዓስ መጺእካኸ ትዕድመና
ኣለኻ?
- ተቃውሞ! ኣነ ቅድሚ ሕጂ ስለዘይዓደምኩኹም እዚ ዕድመ’ዚ ናይ ናድያ ጓል
ሳልም’ዩ።
- ኣነ’ውን ተቃውሞ! እዚ ዕድመ’ዚ ናባይ ግደፉዎ።
- ጀሚላ ንስኺኸ እንታይ ስቕ ኢልኪ! ገለ ዘይትብሊ?
- ኣነ’ውን ተቃውሞታት በዚሑ’ምበር ሓሳበይ መቕረብኩ።
- ሕጂ እንታይ ‘መስለኩም፡ እዚ ዕድመ’ዚ ስለዘይተሰማማዕናሉ ኣነን ጀማልን ሼር
ክንገብሮ ኢና። ኣብ መጻኢ ድማ ረሪጋና ንሕዝ። ከም እትፈልጡዎ በዓልቲ ቤተይ
ሓራስ ኮይና’ምበር ንሳ’ውን ኣባል ማሕበር’ያ። (? ? ?) ሼር
- በቃ! ከም’ዚ ዓብደልዓዚዝ ዝበሎ ንግበር። ንስኻ መንሱር ድማ ትማሊ ትማሊ
ስራሕ ጀሚርካ ከመይ ጌርካ ትዕድመና?
- ሳላኹም ዝተሳእነ የለን! ካብ ሎሚ ንድሓር ከማኹም ጥራይ ሕሰቡኒ። ንስኻትኩም
ኣብ ጎድነይ እንተዘይትኾኑ እንታይ ምኾንኩ። እዚ ዕድመ’ዚ ድማ ናይ ምስጋና
ኢዩ።
- ንሕና ሓውን ዓርክን ካብ ዝገብሮ ንላዕሊ እንታይ ጌርናልካ፡ ንስኻ ግን በዚ ዝርእየካ
ዘለኹ ሃብቲምካ ኣብ ሓጺር ግዜ ንጀማል ክትሓልፎ ኢኻ።
- እንቋዕ! ኣሰይ! ኣነ’ውን እዞም እንዳ ኣቦይ ኣዳላ ካብ’ዚ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ጸቢብ ገዛ
ተገላጊሎም ኣብ ገፊሕ ገዛ ክነብሩ ትምኒተይን ተሳፋይን’ዩ።
- ሕጂ’ውን በዚ ኣጋጣሚ’ዚዶ ብስራት ክነግረኩም?
- ኣቦይ ኣዳላ ተረኺቡ?
- ንዕኡ’ውን ረቢ ብሰላም ናብ ገዝኡ ይምለሶ! ግን እታ ብስራት ክነግረኩም፡- ካብ’ዛ
ንነብረላ ዘለና ጸባብ ገዛ ኣውጺኤ ገፋሕ ገዛ ክካረየሎም’የ።
- ዓሽ! ያሰላም!
- ኣብ’ቲ ካንቸሎኹም ድዩ ወይስ ኣብ ካልእ ቦታ?
- ኖኖ! ካንቸሎና ጸሊኤዮ እየ፣ ናብኡ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን ኣቦይ ይርኣየኒ ኮይኑ። በቃ
ካብኡ ክንግዕዝ ወሲነ።
- ድሓን፣ ኣብ’ቲ መኻዚኖና ሓደ ሳሎን ኣሎ። ክሳብ ትገዝእ ንዑኡ ተጠቐም።
- ሕራይ፣ ሓው ዝገብሮ ጌርካ።
- እንታይ ጌርናልካ መንሱር።

- Scene 580
- ማሸኣላ ሎሚ ጽቡቕ ኣምሲና ኣሕዋት። ማሕበርና በርኪቱ። (? ? ?)
- ብኸመይ ከምኡ ኢልካ?
- ድሕሪ ሕጂ እንሸኣላ እዛ ቦታ’ዚኣ ብኣጋጣሚ መርዓ ጀማልን ናድያን ክንራኸበላ
እትምነ። (? ? ?)
- እንሸኣላ ዓብደልዓዚዝ ሓወይ፣ ረቢ ይቐበሎ ቃልካ።
- ንዓናኸ ዘይትትምነዩልና ድኣ።
- ግድን! ድሓር ንስኻ መንሱር ተሃዊኽካ ዘለኻ ትመስል። ንስኻትክንከ ኣይትዛረባን
ዲኽን? ኣፍ የብልክንን?
- ንሕና ጀማልን ዓብደልዓዚዝን ዝበልኩሞ ኩሉ ንሰማመዓሉ ኢና።
- ኣሃ! ጀማል በቃ ጀሚርኩም።

- Scene 582
- ዓንተቦይ እንታይ ትብላ ኔርክን? ንዓይከ ርእይቶይ ትቕበላኒዶ?
- መንሱር፡ ንስኻ ብቐዳምነት እንቋዕ ኣባል እዚ ማሕበርና ኮንካ! ንርእይቶኻ ድማ
ተሓጒስና ንቕበሎ።
- ቅድሚ ሕጂ’ውን ከም’ዚታት ብሓንሰብ ትድረሩን ትሕክዩን ኔርኩም በሉኒ? (? ? ?)
ተዕልሉ
- ንስኻ ኢኻ ጋሻ’ምበር ጀሚላ ድኣ ኣባል ማሕበርና እንድያ።
- ኣነ’ውን እንቋዕ ኣብ ማሕበርኩም ተጸምበርኩ! በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ድማ ረቢ ንኣቦይ
ብሰላም ናብ ገዝኡ ንኸምጽኣለይ ጸሎት ግበሩለይ።
- ኣነ’ውን ክነግረኩም ክብል ዘረባ ሒዝና፦ ጽባሕ ኣቦይ ሳልም መርዓ ስለዘለዎ
ክገይሽ’ዩ። ኣነ ድማ ንኣቦይ ኣዳላ ክደሊ ምስኡ ክገይሽ’የ።
- ጀማል፡ ድኳን ዓጺኻ ክትከይድ? ኣነ ክኸይድ።
- ብዛዕባ ድኳን ጸገም የለን፣ ዓብደልዓዚዝ ከጽንሖ’ዩ። ምስኡ ከይደ እሕግዞ። ድኳን
ኣብ ዘብሎ የብሉን። ንስኻ ግን ካባና ንላዕሊ ሓላፍነት ተሰኪምካ ኣለኻ።
- ሓቁ’ዩ ጀማል፣ ንስኻ ተሰኪምካዮ ዘሎኻ ሓላፍነት መን ተሰኪሙዎ ኣሎ!
- በቃ! ከምኡ እንተኾይኑ ረቢ ይሓግዝካ ጀማል ሓወይ! ኣነ ድማ ብቴለፎን
ክከታተለካ’የ።
- እሞ ንኺድዶ?

- Scene 461
- ኣቦኻ ካብ ጌግኡ ይመሃር እንተኾይኑ ክንርእዮ ኢና። ኣብሽር! መጺኤ ኣለኹ። ነቲ
ጉዳይ ብቐረባ ክንርእዮ ኢና። ቅሰን ጥራይ፣ ክመጽእ’የ። ነቲ ዝብሎ ዘሎ መርዓ
ኣይትንጸጎ። ግን ሚእቲ ካብ ሚእቲ ከምዝፈሽል ኣይትጠራጠር። ዓብደልዓዚዝ’ውን
ክመጽኣካ ደውለሉ።

- Scene 405
- ኣሃ! ኣዋልድ እንታይ ትሰትያ?
- ዝጠለብኩምልና።
- ኣነ ኮካ ይሕሸኒ።
- ስድራ ከመይ ኣለዉ ናዱ? ንስኺ ክሳብ ሕጂ ናጻ ኢኺ ኔርኪ። ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ግን
ከም’ቲ ናይ ጀማል መግዛእቲ ይቀላቐለኪ ኣሎ ይብሃል ኣሎ።
- ኣቦይ ሓቁ ኣሎ፣ ኣይሓምዮን’የ። ስለዘኽብረኒ ‘ድሓን ድላያ ትግበር ይብል ነይሩ።
ሕጂ ግን በዚሑ።
- ኣቦይ ሳልም እንተዘይከውን ናድያ ቀደም ኣብ ሓደ መጸግዓ ነይሩ። ሕጂ ግን እቲ
ፍታሕ ኣብ ኢድ ጀማል ኣሎ። (? ? ?)
- ናድያ ሓቃ ኢያ። እቲ ጠንቂ ኣቦይ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጎድነይ ነይሩ። ሕጂ ግን ካብ
ናድያ ክፈልየኒ ይሓስብ ኣሎ።
- ሕጂ እንታይ ይሓይሽ ትብሊ ንስኺ? ርእይቶኺ ክንሰምዕ።
- ሕራይ፡ ኣነ ድሕሪ ደጊም ጀማል ላንጋ-ላንጋ ክኸውን የብሉን በሃሊት’የ። ከውስን
ኣለዎ በቃ።
- ብኸመይ?
- ምሳይ ድዩ ዘሎ ወይስ ኣቦኡ ንዝመረጸሉ ጓል ክምርዖ’ዩ? ነዚኣ የራጋግጸለይ።
- ጀማል ትሰምዓ ኣለኻ፣ መልስኻ እንታይ’ዩ?
- ኣነ ኣቦይ ንዝመረጸለይ ሰበይቲ ቅድሚ ሕጂ ኣይዓገብኩላን፡ ድሕሪ ሕጂ’ውን
ብድልየተይን ውሳነይን’የ ዝኸይድ።
- በቃ! ነዚኣ ኢና ንደሊ። ነፍሰ-ወከፍ ሰብ ባዕሉ ዕድሉ ክውስን ኣለዎ።
- ሎም-ቅነ ኣቦይ ሳልም እገዳ ገይሩልኪ ኣሎ ኢሎምና፣ ሓቂ ድዩ?
- ወላሂ ኣቦይ በቲ ኣቦይ ኖራይ ዝበሎ ስለዝሓረቐ’ዩ’ምበር ጸገም የብሉን። ድሓር ከኣ
ሓቁ’ዩ። ብሰንከይ ክብረቱ ተጋሂሱ’ዩ።
- ድሓን፣ ሕጂ ንዓይን ንጀሚላን መንጎኛታት እንዲኹም ጌርኩና፡ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ
እቲ ጉዳይ ክንጸር’ዩ። ድሓር ከም’ዚታት የጋጥም’ዩ። ንስኻትኩም ከም ቀደምኩም
ቀጽሉ። እንሸኣላ ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ መርዓኹም ንርኢ ንኸውን። (? ? ?)
- እዚ ትብሉዎ ዘለኹም ሓቅኹም ኢኹም። ኣነ ድማ ኣብ መንጎ ወለደይን
ኣፍቃሪተይን ተቐርቂረ ኣለኹ። በዓል ኣቦይ ሮመዳን ይመጽኡ ኣለዉ፣ ንኣቦይ
ከረድኡዎ ክፍትኑ’ዮም።
- ኣቦኻ ጃብርከ ኣሎዶ? ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣይርእዮን ኣለኹ።
- ኣቦይ ጃብር ድሓን’ዩ። ቆጸራ ገይሩለይ’ውን ኣሎ።

- Scene 404
- ጀማል ኣብ’ዚ እዋናት’ዚ ተጨኒቑ ስለዘሎ ብዙሕ ኣይትሓዝሉ። ድሓር ብዘይካኺ
ዝጥምታ ካልእ ጓል-ኣንስተይቲ ስለዘየላ ብዛዕብኡ ኣይትሻቐሊ።
- እሞ ንሱ ጥራይ ድዩ ተጨኒቑ ዘሎ? ኣነኸ ጽቡቕ ኣለኹ ‘መስለኪ? ስድራይ ንዓኺ
ዝደልዩ በዚሖም፣ ሓዲኡ ግበሪ እናበሉ ምውጻእን ምእታውን ከሊኦምኒ ኣለዉ።
ካብ ኩሉ ዝገደደ ድማ ኣቦይን ኣቦይ ኖራይን ተባኢሶም ኣለዉ። በሰንኪ’ዚ ኣቦይ ኣብ
ጥቓ ጀማል ከይትቐርቢ ኢሉ ኣጠንቂቑኒ ኣሎ።
- እቲ ጸገም እዚ’ዩ። ኣቦኺ ንጀማል ካብ ምርካብ እንተኸልኪሉኪ ጸገም’ዩ።
- እዚታት’ዩ ኣዋጢሩኒ ዘሎ። ዘርሞ-ዘርሞ ኮይነ። ጀማል ከኣ ዘይወስን ኮይኑ ያዓኺ!
- ኣብሽርኪ! ኣብ መጠረሽታ ዝዕወት ትዕግስተኛ’ዩ። ንስኺ ድማ ዓቃል ኢኺ።
- እንድዒ…

- Scene 297
- ኣነ እንታይ ክገብር ኢልክኒ!
- እንታይ ፈሊጠ! ካብ’ዚ ዓዲ ህልም ንበል?
- ምህዳም ኣየዋጽእን’ዩ። ጸገማት ድማ ብህድማ ኣይፍትሑን’ዮም። ጸገምካ
ብትዕግስቲ ምስ እትገጥሞ’ዩ ኣብ ናይ መጠረሽታ ምዕራፉ ዝበጽሕ።
- እሞ እንታይ’ዩ እቲ ፍታሕ? ግድነት ገለ ክንገብር ኣለና’ምበር ናብ መደቦም
ይስሕቡና ኣለው።
- ንዓይ’ኳ እቲ ሓሲብናዮን ኣበጊስናዮን ዘለና ስልትታት ዝዕወት ኮይኑ ይስምዓኒ
ኣሎ። እንተዘይተዓዊቱ ድማ ብሕጊ ክንትፈትሖ ንኽእል ኢና።
- ጀማል፡ ላንጋ-ላንጋ ኣይትኹን። ዕድለይ ኣይትስበረለይ። እዚ ትብሎ ዘለኻ ሕጊ
ዝሰርሕ እንተኾይኑ ሎሚ ኣተግብሮ። ግዜ እንተሓሊፉ ትርጉም የብሉን።
- ከም እትፈልጥዮ ምስ ሃማደኤን ካልኦት ሕጊ ዝፈልጡ ሰባትን ተላዚበ ኣለኹ።
ንሳቶም ድማ ናባና ግደፎ ኢሎምኒ ኣለዉ።
- ኣክረም’ውን መጺኡ ነይሩ።
- ኣሃ! እምብኣር መጺኡ ነይሩ? እንታይ ኢሉኪ?
- ዝመጽኣሉ ዘሎ ምኽንያት መዓስ ጠፊኡካ ጀማል! ኣቦኡ ንኣቦይ ሓቲቱ ምሳይ
ክፋለጥ ድማ መጺኡ ነይሩ። (? ? ?)
- ሓቅኪ ኢኺ። እቲ ሃዋሁ ቅልጡፍ ስጉምትታት ክወስድ የገድደኒ ኣሎ።
- ንኺድ!

- Scene 558
- መድሃኒት ይወስድዶ ኣሎ?
- እወ፣ ካብ ቅድስቲ ማርያም ይወስድ ኣሎ። ሕማም ርእሱ እንተጀሚሩዎ ድማ
ቁርኣን ይሽምድድ።
- ምስኪናይ! ኣነ ከምኡ ይመስለኒ ኣይነበረን። ድሓር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጓነፎ
መግረፍትን ከዕልል ሰሚዔዮ’ውን ኣይፈልጥን። (? ? ?)
- ስርዓት ደርግ ንመን ዘየበሳበሰ! ኣቦይ ኣዳላ ስምብራቱ ንሰብ ኣይነገረሉን’ምበር
ቀሊል ኣይኮነን።
- እሞ ብዙሕ ተገሪፉ’ዩ በለኒ።
- እወ፣ ክዳኑ ኣብ ዘውጽኣሉ ግዜ ጥዕይቲ ኣካል ኢኻ ትስእነሉ። ካብ ኩሉ ተሸግሮ ዘላ
ድማ እዛ ኣብ ርእሱ ዘላ ማህረምቲ’ያ።
- ሓቁ’ዩ ምስኪናይ! ድሓር ምስቲ ዘጋጠሞ ጸቕጥታት ሃው ኢሉ እግሩ ናብ ዝመርሖ
ከይዱ ኣሎ ማለት’ዩ።
- በዚ ብኣቦይ፡ በቲ ብኣቦይ ጃብር፡ በዚ ብኣሞይ ራየት፡ በቲ ድማ ብመንግስቲ
ተጨኒቑ።
- ሓቅኻ! ካብ ኩሉ ዝኸፍኤ ከም’ዚ ናይ ሕጂ ምጥፋእ’ዩ። ሰብ ኣበይ ከምዝኣተወ
እንተዘይተፈሊጡ ዘቕስን ኣይኮነን። ልዕሊ ኩሉ ዘሻቀለኒ ድማ ገመድ ሒዙ ከይዱ
ምስ ሰማዕኩ’ዩ።

- Scene 599
- ዓርከይ ጀማል፡ ሎሚ ሓድሽ ወረ ሒዘልካ መጺኤ ኣለኹ።
- ጽቡቕ ዜና ይግበሮ! እንታይ’ዩ?
- ጽቡቕ ዘይኮነ ሕማቕ ዜና’ዩ። ብሰንኪ ምዝሓልካ ናድያ ካብ ኢድካ ተምልጥ ኣላ።
ኣብ’ዘን ቀረባ መዓልታት ሓደ ህቡብን ሃብታምን ሰብ ሓቲቱላ ኣሎ።
- እዚ ንዓይ ሓድሽ ዜና ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ’ውን ዶክቶራትን ሃብታማትን
ሓቲቶምላ ነይሮም’ዮም። ኣነ ኣብ ናድያ እምነት ኣለኒ። ድሓር ከኣ ኣነ’ውን ፍቕርና
ኣብ ምዕራፉ ንምብጻሕ ቀሪበ ኣለኹ።
- ሓቅካ ኣለኻ። ናድያ ንዓኻ ክትብል ንክንደይ ሰብ ዝናን ምሁራትን ዘይኣበየት! ሕጂ
ግን ነቲ ካብ ስድርኣ ዝመጽኣ ዘሎ ጸቕጢ ክትጻወሮ ስለዘይትኽእል ካብ ወሳኔኦም
ትወጽእ ኣይመስለንን።
- ከመይ? እንታይ ሓድሽ ነገር ተረኺቡ? ሎሚ ጸገማተይ ኣብ ምዝዛም ምስ
በጽሐሔ ከመይ ገይራ ከም’ዚ ትገብር?
- በል ክነግረካ፡- ‘ወትሩ ድሓን፡ ሓደ መዓልቲ ዘይድሓን’ ይብሃል። ቀደም ኣቦኣ
ንበይኑ’ዩ ዝመልሶም ነይሩ፣ ሕጂ ግን እንዳ ኣቦኣን ኣዲኣን ብምልኦም ክሳተፉ’ዮም።
እቲ ዝደልያ ዘሎ ወዲ ድማ ከም’ቲ ናይ ቀደም ዘይትፈልጦን ካብ ወጻኢ ዝመጽኤን
ዘይኮነ ኣብ’ዚ ዝነበርን ኣሽሓት ጎርዞታት ዝጥምትኦን መንእሰይ’ዩ።
- እሞ እንታይ ክገብር ዓብደልዓዚዝ? ተዘሚተ! እንታይ ክገብር! ካብ ጓሂ ናብ ጓሂ!...
- ኣዝማድካ ሒዝካ ቀድሞም፣ ንሱ’ዩ እቲ ፍታሕ። ነዛ መዓልቲ’ዚኣ እንተኣሕሊፍካያ
ንስኻን ናድያን ኣብ ቀራና መንገዲ በጺሕኩም ማለት’ዩ።
- እሞ ኣቦይ ኩነታቱ ከም’ቲ ዝርኣኻዮ’ዩ። መን ሒዘ ክኸዶም?
- ዋላ ኣዝማድ ኣዴኻ ሒዝካ ኪዶም።
- ዓብደልዓዚዝ ከምዘይትፈልጥ ኣይትኹን። እንዳ ኣቦይን እንዳ ኣደይን ንርእሶም
ኣዝማድ ኢዮም። ንሓድሕዶም ዝተጠናነጉ’ዮም። መን’ዩ ንኣቦይ ረጊጹ ኣብ ጎድነይ
ክኸውን?
- ዓርከይ ጀማል፡ ኣነ ክነግረካ ጥራይ’የ ዝኽእል። ካብ’ዚ ንላዕሊ ዝገብሮ የብለይን። ነዚ
ክነግረካ’ውን ስርሔይ ገዲፈ’የ መጺኤካ። ሕጂ ኣነ ናብ ስርሔይ ክምለስ፣ ድሓር
ክድውለልካ’የ። እንታይ ከምዝገበርካ ነገረኒ። ቻው፣ ከይደ ድሓን ውዓል።
- Scene 461
- ኣነ እንታይ ከምዝገብር ኣይፈለጥኩን። በቃ ኣይትደንጒ ኣቦይ ሮመዳን። ኣቦይ
ንመርዓ ኣንቂዱ ኣሎ። ነዚ ዝብሃል ዘሎ መርዓ ከመይ ገይረ ክቕብሎ እኽእል?
ንዓብደልዓዚዝ ደዊለሉ ነይረ፣ ሕጂ’ውን ክድውለሉ’የ። ቻው፣ ቻው።
- ሃለው ዓብደልዓዚዝ! ብቕልጡፍ እደልየካ ኣለኹ። በታ መኪናኻ ምጻእ። እወ፣
ኣብ’ዚ ከባቢ ድኳን ኣለኹ። ሕራይ።

- Scene 414 (ኣክሽን እምበል ህግያ)

- Scene 498
- መርሓባ ኖራይ!
- ኣልግስ! ኣዒንትኻ ይንቆራ! ኖራይ ከኣ ይብለኒ ከም በዓል ውዕለተይ! ዝተቘጽረ
መርዓ ኣፍሺሉለይስ ኣይሓፍርን?! ድሓን ክንርኤኤ ኢና ኣታ ምሽሙሽ!
- ኣነ እንታይ በዲለ? ረቢ ሰላም ከሊኡኒ! ድሓን፣ ካብ ዝጸልኣኒ መዓስ ውሑድ ገይሩ።

- Scene 330
- እንታይ ድኣ ገዛ ጸሊእካ? ዓብደልዓዚዝከ? መኪንኡ ኣላዶ? መኪናኻ ጋራጅ እንድዩ
ኮይኑ ሰፈራ! ብሓንሰብ ገዛ ምጽኡና፣ ኣነ ሓሊፈ ኣለኹ።

- Scene 331
- ፈለማ ኣኼባና ረቢ ይባርኸልና! ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩኹም መውስቦኩም
ደልየ መጺኤ ኣለኹ።
- እንቋዕ ብድሓን መጻእካ! ንሕናን ንስኹምን ሓደስቲ መዋስብቲ ኣይኮንናን። ሕጂ
ከኣ መርሓባ!
- የቐንየልና! ንሕና’ውን ነዚ ስለዝፈለጥና ኢና መጺእናኩም። ምስ ኣክረም ወደይ
ኣብ ዝገበርናዮ ምርድዳእ ብዘይካ ናባኹም ናብ ካልእ ከይትኸደለይ’ዩ ኢሉኒ።
- ጽቡቕ ጌርኩም። ንስኹም’ውን ሰበይቲ ትኸልኡ ኣይኮንኩምን። ከም እትፈልጥዎ
ግን ኣብ’ዚ ዘበን’ዚ ሰብ ድልየት ደቁ ከይፈለጠ ኣብ ምሃብን ምኽላእን ይበጽሕ
የለን። ንጓልና ክነሓትት ቁሩብ ዕድል ሃቡና።
- ጽቡቕ ኣለኻ። ኣነ ግን ቅድሚ ሕጂ ነጊረኩም ስለዝነበርኩ ዝተረዳዳእኩም
ይመስለኒ ነይሩ።
- ጽቡቕ ኣሎኻ።
- ሓቁ’ዩ፣ ከም’ዚ ሳልሕ ሓወይ ዝብሎ ዘሎ ኣክረም ካብ ዝመጽእ ውሑድ
ኣይገበረን። ድሕሪኡ ስለዘይተመለስኩምና ድማ ናብ ካልእ ዝኸድኩም መሲሉና
ነይሩ። ሕጂ ከኣ ጸገም የለን። ንጓልና ንሓትታ፣ ካልእ መዓልቲ ድማ መልሲ
ንህበኩም።
- ጽቡቕ ጌርኩም። ልዝብን ምርድዳእን ዝመስሎ የለን። ብምርድዳእ ዝኸውን ነገር
ድማ ኣይኸፍእን’ዩ። ንሕና ከኣ ከም’ዚ ዝተብሃልናዮ ካልእ መዓልቲ ንምለሰኩም።

- Scene 247
- ግዜ እንተለካ ነዚ ንጓልካ ዝደሊ ዝነበረ ወዲ ኢብራሂም ዘይንበጽሖ?
- ሰብ ክሳብ ዝጎድለልና’ምበር ክንበጽሖ ኢና።
- ሎሚ ምስ ዓብደልዓዚዝ ወደይ ሹቅ ከይዱ ነይሩ። ሕጂስ ተመሊሶም ይኾኑ፣
እንታይ’ዩ ርእይቶኻ?
- ጽቡቕ ኣለኻ፣ ንብጸሓዮ።
- ምብጻሕ ግቡእ’ዩ። ምስኡ’ውን ነዕልል።
- ጽቡቕ ኣለኻ። ንሕና ወዲ ኢብራሂም ምዃኑ ኢና ንፈልጥ’ምበር ብዙሕ ሌላ
የብልናን። ካብ’ዚ ንእሽቶ ከሎ’ዩ ዝኸደ። እዞም ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ገሊኦም
ዘይእዱባት’ዮም። ንዕኡ ግን ሕጂ ንርእዮ።
- እወ፣ ጽቡቕ ኣለኻ። እዞም ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ መንእሰያት ገሊኦም ናይ መስተን
ሓሺሽን ልምዲ ኣለዎም ይብሉዎም። ሓጥያት ከይኮነና ግን እዚ ብእዝንና ኢና
ሰሚዕናዮ’ምበር ብዓይንና ኣይርኣናዮን።
- ኖኖ፣ ነዚታትስ ኣይውዕሎን ይኸውን። ዶክተር እንድዩ ከኣ። ኣብ ርእሲኡ ድማ
ለባም’ዩ።
- ድሓን፣ ድሓን፣ ሕጂ ንበገስ። ንኺድ ጥራይ።

- Scene ?
- ሰብኣይ ዝርኣየ ኣሎ ድዩ? (? ? ?)

- Scene ? (ኣክሽን ድግምት ህሌት)

- Scene 376
- ስምዓኒ ናስር፡ እዞም እንዳ ኢብራሂም ሓደ ግዜ መጺኦምና ነይሮም። ግን
ኣይተመለሱናን። እንታይ ኮይኖም ይመስለካ?
- ኣይፈለጥካን ዲኻ? ነቲ ወዲ ኢብራሂም ጓልካ ብቐርና ተቐቢለቶ። ብመሰረቱ
መርዓ ኣይደልን ድማ ኢሉ።
- እንታይ ኢልካ?
- ብመሰረቱ መርዓ ኣይደልን’የ ኢሉ።
- እንታይ መዓቱ’ዩ? ነዛ ጓል’ዚኣ እንታይ ንግበራ? ሕጂኸ ካብ’ዚ ምሁርን ሃብታምን
ወዲ ንላዕሊ እንታይ ትደሊ ኣላ? ከም’ዚ እንተኢላ ብሓይሊ ኣብ ትሕቲኡ ነእትዋ።
- ብሓይሊ ዝግበር መውስቦ ትርጉም የብሉን። ኣዳላን ኖራይን ብሓይሊ ዝገበሩዎ
መርዓ እንታይ ኮይኑ ርኣዮ። ሳልም፡ እዛ ዘረባ እዚኣ ድሕሪ ሕጂ ኣይትድገማ።
- ሓቅኻ፣ ብግዲ ዝግበር መርዓ ሕማቕ’ዩ። ብዘይክኡ’ውን ኣብ መውስቦ ኣዝማድ
ዝኾነ ነገር ወይ ባእሲ እንተጋጢሙ፡ እቶም ኣዝማድ ብምሉኦም ኣብ ሓሸወየን
ቅርሕንትን ኢዮም ዝሽመሙ።
- ካብኡ ዝገደደ ኸኣ ብዘይድሌት ዝኸውን መርዓ ኣይትብልን። ሳልም ሓወይ፡ ኣብ’ዚ
ዘለናዮ መዋእል ንደቁ ብግዲ ዘመርዑ ወላዲ ኣሎ ትብል? (? ? ?)
- ኣሎ፣ ኣሎ! ኖራይ ኣሎ። ኖራይ ገና ኣብ ዘበነ ጥንቲ’ዩ ዝነብር ዘሎ።
- እቶም ክልተ ተጻመድቲ እንተኣብዮም እንታይ ግበሩ ይብሉዎም ኣለዉ? ጓል ኣዳላ
ናብ እንዳ ሓወ’ቦኣ ጃብር ሓኪላ’ምበር ናብ ርሑቕ ቦታ ከይዳ ነይራ እንተትኸውን
እንታይ ምገበሩ?
- Scene ?
- ኖራይ ሕጂ’ውን ካብ ዝሓለፈ ኣይምሃርን’ዩ። ኣይግድሶን’ዩ።
- እንታይ ክረክብ’ዩ ከምኡ ዝገብር?
- ዋላ ሓንቲ! ኣይሰምዕ፣ ምስ ሰብ ኣይላዘብ፣ ጸማም’ዩ። ብዘይካ ንሱ ዝበሎ ምኽሪ
ካልኦት ኣይሰምዕን’ዩ። ኣይትፈልጦን ዲኻ?
- እዚ ዝገብሮ ዘሎ ነውሪ’ዩ። ዒብ ክብል ኣለዎ። መርዓት እንተኣብያ እንታይ ግበሪ
ይብላ ኣሎ? ጀማል እንቋዕ ካብኣ ተገላገለ። ውርዙይ ሰብ’ዩ። (? ? ?)
- ጽቡቕ ኣለኻ፣ ጀማል ንፉዕ ወዲ’ዩ። ድሓር ከኣ ተገዲዱ’ምበር ካብ ቀደሙ ድሌቱ
ኣይነበረትን። ንእሽቶ ድማ’ያ። (? ? ?)
- ሳልም፡ 18 ዓመት ገይራ ኣላ። እንታይ ትብል ኣለኻ።
- ኣይትገብርን’ያ። 10 ይ ክፍሊ ተምሃር ኣላ። እንታይ ትብል ኣለኻ?
- እሞ ካብ ነጃት ጓልካ ብ 3 ዓመት ጥራይ’ያ ትዓቢ ማለት ድዩ?
- እወ፣ ንእሽቶ’ያ።
- ከምኡ እንተኾይኑ ሓቅኻ ኣለኻ። ስቕ ምባል ይሓይሽ።

- Scene ?
- እዚ ዓብደልዓዚዝ ወድና ኣብ’ዚ ፍሹል መርዓኦም ላዕልን ታሕትን ክብል ካብ መጠን
ንላዕሊ ተሓጋጊዙዎም’ዩ።
- እንታይ ትብል ኣለኻ! ንሱን ጀማልን ትክ-ትንፋስ ኣዕሩኽ እኮ’ዮም።
- ንሱስ ሓቅካኻ። ጀማል ጥዑይ ሰብ’ዩ።
- እቲ ካልእ ይጽንሓልና’ስከ፣ መጻኢ ናድያ ጓልካ እንታይ ይኸውን ኣሎ? ኣክረም
እንተገዲፉዋ መጻኢኣ ናበይ ከብል ኢዩ?
- ወላሂ ንናድያ ብዙሓት’ዮም ሓቲቶምላ። ግን ኣቕቢጸትና። እንታይ ከምንገብር
ኣይፈለጥናን። ሕጂ በጃኻ እንተሰሚዓትካ ምኸረልና ኢኻ።
- እዛ ጓል ኣፍቂራ ከይትህሉ? ኣዋልድ እንተኣፍቂረን ጽኑዓት’የን።
- ኣነስ ምስ’ዚ ንጓል ሓወ’ቦኡ ጸሊኡዋ ዘሎ ጀማል ፍቕሪ ሒዙዋ ከይከውን ጠርጢረያ
ኣለኹ።
- ዝምድና ከምዘለዎም ብኸመይ ፈሊጥካ?
- ብሞባይል ፈሊጠ። ኣብ ዝድውለላ ወይ ትድውለሉ እዋን ‘ጂሚ! ጂሚ! ስሙር!
እናተበሃሃሉ ካብ ዝስሕቁዎ ሰሓቕ ይርድኣካ’ዩ። ስምዓኒ፡ ‘ጂሚ’ ናይ ጀማል ናይ
ቅብጥሮት ሽም’ያ ሙሽ!
- ጽቡቕ ኣለኻ፣ ከምኡ እንተኾይኑ ኣረጋግጽ። ግዜ ኣይትውሰድ። ተፋቒሮም
እንተልዮም ብዘይ ውዓል-ሕደር ከምዝምርርዓዉ ጥራይ’ዩ።
- ሓቅኻ፣ ከምኡ እንተኾይኑ ባዕሎም መጺኦም ጓልኩም ሃቡና ክብሉ ኣለዎም’ምበር
ባዕለይ ከይደ ወድኹም ሃቡና ኣይብልን’የ፣ ዘይብሃል! ኖራይ ደቁ ንዘፍቀሩወን’ውን
መዋስብትና ኣይኮንኩም’ዩ ዝብሎም ከኣ’ባ ኢሎምኒ።
- ካብ መን በሊጹ’ዩ መዋስብትና ኢኹም ወይ ኣይኮንኩምን ዝብል? ካብ መን ይበልጹ
ኮይኖም’ዮምከ?
- ኖኖ! ኖራይ ደንቆሮ’ዩ። ጓል ንጉስ እንተዝረክብ’ውን ነዛ ቃል’ዚኣ ምደገመሎም።
ድሓር ኖራይ ገንዘብ ከውጽእ ኣይደልን’ዩ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ንደቂ ሓዉን ኣሕዋቱን
እናቀሸሸን መሰለን እናኸልአን እናዓመጸን’ዩ ዝዋሰብ ነሩ።
- ዓመጽ ሕማቕ ኢዩ። መወዳእትኡ ድማ ነቲ ዓማጺ’ዩ ዝሃሲ። ኔው በሎ! በየን
ዘኪርካልና?

- Scene 596
- ይቕረ! ይቕረ! ይቕረ በሉለይ!
- ኣዳላ ሓወይ ንስኻ’ሞ እንታይ ጌርካ፡ ኣነ’የ በዲለካ። ኣነ’የ ይቕሬታ ዝሓትተካ።
- ምስኪናይ ኣዳላ! እዛ ቃል’ዚኣ ወትሩ’ዩ ዝደጋግማ። ብዘይክኣ ካልእ ኣይብልን’ዩ።
- እተዉ፣ እተዉ።
- ይቕረ! ይቕረ! ይቕረ በሉለይ!
- መን ሽምካ?
- ድሓን ኣዳላ (? ? ?)
- ይቕረ! ይቕረ! ይቕረ በሉለይ!
- ኣዳላ ሳልሕ መሓመድ (? ? ?)
- ከም’ዚ ኣብ’ዚ ፋይሉ ዝርእዮ ዘለኹ ቅድሚ ሕጂ ማህረምቲ ርእሲ ነይሩዎ።
- እወ፣ ማህረምቲ ነይሩዎ። መድሃኒት’ውን ይሰውድ ነይሩ።
- ከምኡ’ውን ምስቲ ማህረምቲ ጸቕጢ ኣለዎ። ሕጂ ግን ምሳና ክጸንሕ’ዩ።
- ዶክተር፡ ኣብ ትሕቲ ረቢ በቲ ንስኹም ዝገበርኩምልና ዕጉባት ኢና። ካባና ዝድለ
እንተ’ሎ ድማ ንገሩና። ካብኡ እንበቆ የብልናን። ሕጂ’ውን ንሱ ዘይኮነ በዲሉና ንሕና
ኢና በዲልናዮ።
- ካባኹም ዝጥለብ ጸቕጢ ክትፈጥሩሉ የብልኩምን። ምሳና ምስ ጸንሔ ናብ ንቡር
ክምለስ’ዩ። ሕጂ ናብ’ታ መደቀሲ ክፍሉ ኣብጽሑዎ።
- ይቕረ! ይቕረ! ይቕረ በሉለይ!

- Scene (ኣተላላይ ናይላ ቀደማ ለዐለ ዕፌ)


- ኣዳላ ተስእ፣ መድሃኒት ውሰድ።
- ዶክተር ሕጂ ሓውየ እየ። ዶክተር፡ ናብ ገዛይ ዘይትሰድዱኒ? ሓውየ እንድየ።
- ክትከይድ ኢኻ።
- እንሸኣላ እንሸኣላ። (? ? ?)
- ሕጂ እንካ ነዚ መድሃኒትካ ውሰዶ
- ኣልሓምዱላ ዶክተር፣ ሕጂ ሓውየ ኣለኹ። (? ? ?)
- በቃ፣ መድሃኒትካ ምስ ወዳእካ ናብ ገዛኻ ክትከይድ ኢኻ።
- እንሸኣላ ዶክቶር! እንሸኣላ! (? ? ?)

- Scene 605
- እንታይ ድኣ ሎሚ ኣብ ገዛ ዘይጸናሕኩም?
- ድሓን፡ ጎረቤት ካብ ዝገብሮ ንላዕሊ መዓስ ጌርና። ንሕናን ኣዳላን ብሓንሰብ ደርጋ
30 ዓመታት ኢና ጌርና። ጉርብትና ከኣ ካብ ዝምድና ይዓቢ’ዩ።
- ወላሂ ንስኹምን ናፍዕ ሓውኻን ዓብደልዓዚዝ ወዱን ካብ ሓው ንላዕሊ ተገልግሉና
ኣለኹም። ንሕና ግን ክብሪ ኣይሃብናኩምን።
- እንታይ ትብል ኖራይ? እንታይ ምስ ኮንኩም ኢኹም ክብርና ዘይትፈልጡ? ንስኹም
ክብሪ ሰብ ትሕሉውን ፈረቓን!
- ይቕረ በለለይ ሳልም! በኣምሆይ ኣብ’ቲ ማሕበር ሕማቕ መሊሰልካ። ሽዑ ዳርጋ
ምስ ነብሰይ ኣይነበርኩን። (? ? ?) ኣኼባ? እኩብ ሰብ?
- እንታይ ትብል ኣለኻ? ኣነ ነዛ ቃል’ዚኣ ቀደም ረሲዔያ እየ። ይቕረ በለለይ
እንተኢልካ ድማ ይቕሬ ይኹንካ።
- ንሕና’ውን እንቋዕ ጎረቤት ኣቦይ ሳልም ኮንና! ንሕና እንዳ ዓሜካሊታት ኢና። ኣብ
ጸቢብ ዓንኬል ኢና ንነብር። ድሓር ድማ ሳላኩም እንድዩ ኣቦይ ዝተረኽበ? እምበር
ካብ ዓሜካሊታትሲ ኣይምተረኽበን።
- ንስኹም ካብ ቀቢላ ሜካል ኢኹም? ንኣቦይ ዝወለደት ዓባየይ ሜካል’ያ።
- ኣቦይ ሳልም፡ ሜካል ኣይኮነን። ዓሜካሊ እብለኩም ኣለኹ።
- ኣሃ! ዓሜካሊ? ኣነ ድኣ ሜካል ዝበልካ እንድዩ መሲሉኒ።
- ኣቱም ሰባት፡ ናብ’ቲ ዘምጽኣና ጉዳይ ዘይንኣቱ? ነቲ ሓውና ክንርኢ ንእቶ።

- Scene 607
- እንታይ ድኣ ደንጒዮም ዘይንርእዮም፡ (? ? ?)
- መንሱር፡ ኣዳላ መን’ዩ?
- ኣቦይ ከመይ ኣሎ?
- ኣቦኻ ተመሓይሹ።
- ግን ዓው-ዓው ኣየድልዮን’ዩ፣ ተጠንቀቑሉ ኢኹም። ሕጂ ንዑናይ ክትርእዩዎ።

- Scene 608
- ሃለው! ሎሚ ኣቦይ ንኣቦኺ ይቕሬታ ሓቲቱዎ ኣሎ። ሕጂ ድማ ምስ ዶክተር ናብ
ኣቦይ ኣዳላ ንኣቱ ኣለና። ድሓር ክድውለልኪ’የ። ቻው፣ ቻው!

- Scene 609
- ከመይ ውዒልኩም?
- ጽቡቕ መንሱር ወደይ!
- መርሓባ! ከመይ ኣለኻ?
- ተመሓይሽካ፣ ኣልሓምዱላህ እዚ’ውን ጸጋ ካብ ረቢ’ዩ።
- እንቋዕ ተራኸብና! መንሱር ወደይ፡ ኖራይ፡ ሳልም ከመይ ኣለኹም?
- ኣለልዩና! ሓውዩ ማሸኣላ! (? ? ?)
- ኣልሓምድላህ!
- Scene ? (እስብዳላየት ቅድስቲ ማርያም)

- Scene 155 (ዓዋሌን ለብእታ ኣክሽን ሌጠ)

Scene 482

- ሼክ ዳሊ፡ ትሰምዓኒዶ ኣለኻ? እዚ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ብምዃኑን ብዘይ ድልየት


እታ ጓል ስለዝኾነን ክኸውን የብሉን። ንኹሉ ነጊርና ስለዘለና ድማ ከምኡ ጥራይ
ግበር።
- ኮይስ ሕራይ።
- Scene 485 (ኣክሽን ሌጠ)

- Scene 487
- እንቋዕ መጻእኩም፣ ንዓኹም ኢና ክንጽበ ጸኒሕ።
- እዛ ጓል ዕድመኣ 16 ዓመት’ዩ ኢሎሞ። ሓቂ ድዩ?
- እወ ሰይድና። ብዕድመ ንእሽቶ’ያ፣ ብቑመት እንተርኢናያ ግን፡ ዓይኒ ኣባያ ይደፈን፡
እኽልቲ’ያ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ንኣዋልድና ኣብ’ዚ ዕድመ’ዚ ኢና ነመርዕወን ኔርና።
- ሕራይ። ዕድመኣ ትሕቲ 16 ዓመት ካብ ኮነ ትሕቲ ዕድመ’ያ ማለት’ዩ።
- ድሓን፣ ድሓን ሰይድና፣ ቃል-ኪዳን እስር እንተ’ቢልና ጸገም የለን። ምሳና ትዓቢ።
- ሕራይ፡ ዕድመኣ ንእሽቶ ምዃኑስ ነጊርካኒ ኣለኻ። ካብ ትምህርቲ ኣውጺእኩማ ከኣ
ሰሚዔ። ሓቂ ድዩ?
- እወ ሰይድና፣ ምስ ሓወይ ተረዳዲኤ ካብ ቤት-ትምህርቲ ኣውጺኤያ እየ፣ ሓቂ
ይሓይሽ።
- ቅድሚ ሕጂ ኣብያ ነይራ፣ ሕጂ ከኣ ንካልኣይ ግዜ ንመርዓ ትግድዱዋ ኣለኹም
ይብሃል። እዚኸ ሓቂ ድዩ?
- ሓቂ’ዩ። እቲ መርዓ’ቲ ብሰንኪ ሓሰውቲ’ዩ ፋሕ ኢሉ። ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ መርዓ ግን
ጸገም የብላን።
- ናይ መውዳእታ ሕቶይ፡ መርመራ ኤች-ኣይ-ቪ ገይራዶ?
- ሰይድና እንታይ ትብሉ ኣለኹም?
- ሰይድና፡ ጓለይ ድልየት መርዓ የብላን። ናይ ኤች-ኣይ-ቪ መርመራ’ውን ኣይገበረትን።
- በቃ! እዛ ጓል’ዚኣ መርመራ ኤች-ኣይ-ቪ እንተዘይገይራ፡ ትሕቲ ዕድመ’ውን
ስለዝኾነት እዚ መርዓ’ዚ ቅቡል ኣይኮነን። ብሕጊ ክልኩል’ዩ።
- ረቢ ፍርሑ ሰይድና! እዚ ኩሉ ሺሻይ ኣፍሲስና ከመይ ገይሩ መርዓ ይፈሽል?

- Scene 489
- ስምዓኒ፡ ስቕ ኢልና ኣይንሓሱ። እዚ ሼክ ዳሊ ዝበሎ ሓቁ’ዩ።
- ሼክ ዳሊ እንተኸደ ዕዝር ይበል! ጠቢርና ቃል-ኪዳን ኣእስረልና ኣይንብሎን ኢና።
ካልእ ሼክ ክንጽውዕ ኢና። ንስኻትክን ጥራይ ተዓገሳና።
- ከመይ ጌርና ክንዕገስ ትደልዩ ኣለኹም? ኣብ ገበን ኣይንኣቱን ኢና። ስለምንታይ
ንሕጊ ዘይንምእዘዝ?
- ኣሃ! ንስኻትክን ዕንቅፋትክን በዚሑ። ሕጂ እንታይ ውሑድን ብዙሕን ትዛረቢ
ኣለኺ?
- ሼክ ዳሊ ዝበሎ ሓቂ’ዩ። ንጓልና ብዘይ ድልየታ ኣይነመርዕዋንን ኢና። ኣብ
ሓደጋ’ውን ኣይንኣቱን ኢና። ንሓውኹም ክተሐጉሱ ንጓለይ ብዘይ ድልየታ
ክተመርዕዉዋ?
- ጓልክን ንስኽን ነዚ መርዓ’ዚ እንተኣፍሺልክንኦ ክቐትለክን’የ።
- ኣነ ጓሉ! ተፈራርሑና ከኣ ኣለኹም? ኣብ ዓዲ ሕግን ስርዓትን ኢና’ኮ ዘለና። ስቕ
እንተበልናስ ኣብዚሕኩሞ!
- ንዓይ ንኣዳላ ሕጊ ክትምህርኒ ኣይትኽእልን ኢኺ።
- ኣውጽኡዎ!
- ኣይወጽእን’የ!
- ንስኻ ንሕጊ ኣይትምእዘዝን?
- ኣብ ጓለይ እንታይ ትእውዱኒ?
- ሓዝዎ! ሓዝዎ!
- ኣቦ!
- ኣልግሱ እብለኩም ኣለኹ! ኣልግሱለይ!
- መደበር ፖሊስ? ኣብ’ዚ ገዛውትና ጸገም ኣጓኒፉና ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ሓቢረ
ነይረ እየ። እወ፣ ቀልጥፉና። መርሓባ! መርሓባ!

- Scene 483
- በቃ! ኣንጺፍናዮ ኣለና፣ ተቐላጠፉ። ሰብ ኣብ ዳስ ስለዘሎ ድማ ናብ ዳስ ንኺድ።
- መንሱር ንዓ፣ እዚ ሼክ ዳሊ ደንጒዩ።
- ኣቦ፡ ሰዓት 10 ክመጽእ’የ ኢዩ ኢሉና። ገና ሰዓት ኣይኣኸለን።
- ሰዓተይ ጌና ኣላ ማለት’ዩ፣ ድሓን። (? ? ?) ቀልቲፋ ኣላ
- ኣዳላ፡ ሓንሳብ ደልየኩም ኣለኹ።
- ብምንታይ ደሊኽኒ? ዘረባኺ በዚሑ በቃ!
- እንታይ ደሊኽኒ ትብሉ ኣለኹም? እዛ ጓልኩም ዝበለቶኸ ሰሚዕኩሞዶ?
- ነዚ መርዓ ብመሰረቱ ኣይተቐበለቶን። ሂወተይ ከጥፍእ’የ ትብል ኣላ፡
- ከም እንተኾይኑ ንሂወታ ባዕላ ከየጥፍኣታ ባዕለይ ከቃብጻ’የ።
- ክትቀትሉዋ!? ንዓይ’ውን ምስ ጓለይ ቅተሉኒ። ካብኣ ኣይተርፍን’የ።
- ንስኺ ኢኺ ነዚ ኩሉ ጸገም ተሳውርዮ ዘለኺ። እዚ ኩሉ ከሲሩሲ ንኖራይ ሓወይ
እዚ ክንፈድዮ?
- ኖራይ ንዒቑና ዘይኮነ ኣመት መርዕኡ ኢዩ ዝገብር ዘሎ። (? ? ?)
- ኣቲ በጃኺ ዘረባይ ስምዕኒ፣ በጃኺ!
- እንታይ መዓቱ’ዩ! ኣቱም ሰባት እንታይ ንግበር?

- Scene (እምበል ዕልብ)

- መርሓባ ኖራይ! ሼክ ዳሊ መርዓ ብመሰረቱ ኣይከውንን’ዩ ኢሉ ጠንጢኑና ከይዱ።


ኣነ ድማ ኩሉ ነገር ፋሕ ኢሉኒ ኣብ ጭንቀት ኣለኹ እብለካ ኣለኹ፣ በቃ!

- Scene 488
- ኣነ እንታይ ክገብር፣ ኣብ ማእከል ክልተ ሓዊ ተቐርቂረ፡ ሳብሪን ጓለይ።

- Scene 575
- ኖሪት ጓለይ በቃ ኣደ ኰንኪ? ምጭውቲ ቈልዓ ወሊድኪ!
- እዋይ ክትፍተወካ!
- ማማ፡ ክሓቚፋዶ ኣነኸ?
- ሕራይ፡ ድሓር ተሓቚፍያ።
- ሎሚ ድኣ እንታይ ሓሲቦም ሰዲዶምኺ?
- ኣቦይ ኖራይ ከም ቀደሙ የለን፣ ምስኪናይ!
- ኣቦኺ ኖራይ ባዕሉ ዝፈጠሮ ሽግር’ዩ። እዚ ዘይከውን ምልኪ መወዳእትኡ ከምዚ’ዩ።
- ኣቦይከ እንታይ ድሃዩ?
- ኣቦኽስ እንድዒ።
- እታ መንሱራ እትብሃል ጓልከ ከመይ ኣላ?
- ንየው በልያ! ገጻ ትርሓቕ። ስለዝንዕቃ ኣይግደሰላን’የ። ሕጂ ድማ ተጸሊላ ኮለል
ትብል ኣላ።
- ኣነ’ውን ቅድሚ ትማሊ ‘ዕባያ’ ተኸዲና ተሓቢኣ ክትከይድ ርእየያ።
- ‘ዕባያ’ ድኣ እዚ ኩሉ ትንዕቃ ነይራ ትኽደና ኣላ? እዚ ኩሉ ፈሳሕሳሕ ሓሊፉ?
- መንሱር ሓወይከ ኣበይ ኣሎ?
- መንሱር ናብ ስራሕ ወፊሩ። መንሱር ሸቃላይ እንድዩ ኮይኑ። እንታይ ድኣኸ ክንዲ
እዚ ደንጒዩ? እስኪ ደውልሉ ሳብሪን ጓለይ።
- ኖሪት ሓፍተይ ብቴለፎንኪዶ ክድውለሉ?
- ሕራይ እንኪ።
- ሃለው መንሱር! ሳብሪን’የ፣ ከመይ ውዒልካ? ኣሃ! ምስ በዓል ጀማል ክትውዕል ኢኻ?
ኖሪት ሓፍተይ’ውን መጺኣ ኣላ። እወ፣ ክትበጽሓና ተፈቒዱላ። ኮይስ ቻው!
- ድሓን፣ ምስ በዓል ጀማል እንተ’ሎ ጸገም የለን። ሳብሪን ጓለይ ዘረባ ጥራይ ኰንና፣
ቡን ግበርልና።
- ኮይስ! (? ? ?) ሕራይ
- ነዛ ጓልኪ ኣደቅስያ፣ ድቃስ መጺኡዋ። (? ? ?) ተታኺሳ ኣላ

- Scene 579
- እንታይ ድኣ መንሱር ሓወይ ደንጒዩ?
- ኖሪት ሓፍተይ፡ መንሱር ምስ በዓል ጀማል እንተተራኺቡ ቀልጢፉ ኣይመጽእን’ዩ።
ድሓር ከኣ ንእሽቶ መዓስ ኮይኑ።
- ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ! ሓንሳብ ኣብ ጋራጅ፡ ሓንሰብ ድማ ኣብ ድኳን እናሰርሔ
ጠቒሙና ኣሎ።
- ማማየ፡ መንሱር ሓወይ ገዛ ክካረየልኩም’ዩ ሰሚዕና፣ ሓቂ ድዩ?
- ክልተ ክፍሊ ረኺበ ኣለኹ፣ ክራዩ’ውን ድሓን’ዩ ይብል ነይሩ።
- ሃንደበት ከበስረና ስለዝደለየ ኢዩ’ምበር ኣዳልዩዎ ኣሎ። ብኻ ኣቦይ ምሳና ሃልዩ!
- ንመንሱር ወደይ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ! ዘዝረኸበን ንገዛ ይብለን ኣሎ። ኣቦኽን ድማ
እንሸላ ይመጽእ ይኸውን፡፡ (? ? ?)
- ቀዲሙኒ’ምበር ኣነ ዓባይ ገዛ ክካረየልኩም ሓሲበ ነይረ እንድየ።
- ደሓን፣ ንሱ ይካረየልና፡ ንስኺ ከኣ ትገዝእልና። ዕድመን ጥዕናን ይሃብኪ ሳብሪን
ጓለይ!
- ኣሜን ማማየ!
- እዛ ሳምያኸ ድኣ እንታይ ኮይና’ያ ዘይኣመላ ስቕ ኢላ?
- ድሓን’ዩ ኣደ።
- እንድዒ፣ ሎሚ ክተስተንትን እርእያ ኣለኹ። ‘ናኣታ’ መጺኣታ ኣላ መስለኒ። (? ? ?)
- ኣደ ‘ናኣት’ ኣንስተይቲ ገመል’ያ ሙሽ?
- እዋይ ሳብሪን ጓለይ! እዛ ንብላ ዘለና ‘ናኣት’ ኣብ ኣግማል ዘየላ ፍልይቲ ኢያ።
- እሞ ሕጂ ሳምያ ሓፍተይ ‘ናኣት’ ኣላታ ማለትኪ ድዩ?
- ኣይፋል! ሓደ ሰብ ስቕ ኢሉ እንተኾርዩ እከለ ሎሚ ‘ናኣቱ’ መጺኣቶ ኣላ ኢዩ
ዝብሃል።
- እወ፣ መዛጁ ወይ ሙዱ ምስ ዝዝረግ ማለት’ዩ። (? ? ?)
- ሞት ኢልኪ? ሞት ኣይትበሊ ጓለይ!
- ኖሪት ጓለይ፡ ጓልኪ ሎሚ ብዙሕ ደቂሳ። ኣጥብውያ።
- ሕራይ ማማየ!
- Additinal scene
- ኣነ ኣዳላ ኣነ! ፈላማ እዚኣ፡ ሎሚ ዘበን ብርቱዕ ማይ እንተሃሪሙ ኣየፍለጥናን።
(? ? ?)
- Scene 610
- ማማየ፡ ባባ ብሓቂ ክመጽእ ድዩ?
- እወ ክመጽእ’ዩ።
- ረቢ ሂቡና ክንድሰት ኢና።
- እወ’ዛ ጓለይ።
- ማማ፡ ባባ ከም ቀደሙ ምሳና ክነብር ድዩ?
- እወ፣ ምሳና ክነብር’ዩ። ሕጂ ገዛ ኣቲኺ ዕዮ ገዛኺ ጥራይ ስርሒ።
- Scene 621
- መንሱራይ
- እንታይ ድኣ’ዩ ጀማል፡ ሕጂ ድሌትካ ምስ ረኸብካ እንታይ ድኣ? (? ? ?)
- ያዓኸ ናድያ ካብ ንግሆ ኣትሒዘ እንተደወልኩላ ኣይትቕበልን’ያ ዘላ። ሕጂ
እንተደወልኩላ ድማ ትዓጽወኒ ኣላ።
- እንታይ ጸገም ኣለዎ መሰጅ ዘይትሰድደላ?
- ኣላ መንሱር ወትሩ ንሱር!
- ኣለኹ!
- ጽቡቕ!
- Scene
- ባባ!
- ግደፍዎ ከዕርፍ፣ ገዛ ይእቶ።
- እንቋዕ ‘ሓጎሰና! ኣዳላ መጺኡ ገዝኡ ኣትዩ! ካብ’ዚ ዝበልጽ እንታይ ኣሎ?
- ረቢ ሂቡና!
- ሕጂ ናብ ገዛይ ክኸይድ ኣፍቅዱለይ።
- ኖኖ፣ ሕጂ ምኻድ የለን። ቡንና ንሰቲ፣ ድሕሪኡ ድማ ተመሲሕና ናብ ገገዛና
ንኸይድ።
- ኣብ ገዛ ጋሻ ስለዘለና’ምበር ምሳኹም ክንውዕል ኣይምጸላእናን። ሕጂ ኣፍቅዱለይ
ጥራይ።
- ሰላም ወዓለይኩም ኣቦይ ኣዳላ!
- ወላሂ ንዓኹም ነመስግነኩም ኢና። ምሳና ክትውዕሉ ምፈተና። ጋሻኻ ገዲፍካ
ውዓል ግን ኣይብሃልን። ሕጂ ድማ ጻዕዳ ርገጹ!
- ምስጋና ኖራይ ቀዲሙና ኢሉዎ’ዩ። ሕጂ ከኣ ጋሻኹም ጋሻና ኢዩ፣ ድሓን ውዓሉ።
- መርሓባ! መዓሰላማ!
- Scene 618
- ሎሚ ኣቦታትና ተዓሪቕኩም፡ እቲ ናይ ቀደም ሕውነትኩም ብምርኣይና ደስ
እተብል መዓልቲ’ያ። ኣባኹም ዘለኒ ተስፋ ከኣ ዓቢ’ዩ፡
- ረቢ ኣብ ጽቡቕካ የውዕለና! እንዳ ኣቦኻ ድማ ሳላኻን ሳላ ረብን ጸኒሖም ኣለዉ።
- ሕጂ ኣነ ከባኹም ዝትምነዮን ዝደልዮን ኣለኒ።
- ሕራይ!
- ትምኒተይ ንዘለኣለም ብስኒትን ዕርቅን ክትነብሩ’ዩ። ድልየተይ ድማ ንናድያ ጓል
ኣቦይ ሳልም ክትሓትቱለይ’ዩ።
- እዚ ዘቕረብካዮ ጠለብ ግዜ ይሓትት’ምበር ኣነ ብወገነይ እሰማምዓሉ’የ። ኣሃ
ኖራይ?
- እንተኢልኩም ኣነ’ውን ካብ ድልየትኩም ኣይወጽእን’የ። ናይ ቅድሚ ሕጂ
ድልየታትና መዓስ ጠቒሙና። ግና ሕጂ ኣይትበለኒ።
- ኣቦ፡ እዛ ጓል ንዓይ ክትጽበ ግዜ ባኺኑ። ሕጂ ድማ ክሓትቱላ ዝመጽኡ ኣለዉ።
ብቕልጡፍ እንተዘይሓቲትናላ ኣቦኣ ክህቦም’ዩ። ንሳ’ውን ትግደድ ትኸውን።
- ከም’ዚ እንተኾይኑ ንሕና ነንሓድሕድና ምእንቲ ክንላዘብ ኣብ ደገ ጽንሑ።
- ሕራይ!
- Scene (ኣክሽን ሌጣ)
- ሎሚ ሰናይ መዓልቲ’ያ። ኣዳላ ናብ ገዝኡ ተመሊሱ። ንሕና ኣሕዋት ድማ ኢድና
ኣብ ሓደ መኣዲ ኣምቢርና።
- ሓቅካ ኢኻ።
- ብወገነይ ከምዝርኣኹዎ፡ እቶም ዓበይቲ ምስ ተበኣስና ጀማልን መንሱርን ከም
ኣሕዋትን ኣዕሩኽን ኮይኖም ነዚ ጽንኩር እዋን ብሓንሳብ ሓሊፎሞ’ዮም።
- ኣቱም ሰባት፡ ስለምንታይ በሊጾምና ኣይንበል። ንጸባ’ውን ውላዱ በሊጹዎ ይብሃል።
ሕጂ ኣብ ሕሉፍ ጉዕዞና ነፍሲ-ወከፍና ነናቱ ኣረኣእያ ኣለዎ። ዝሓለፈ ሓሊፉ’ዩ።
ሕጂ ጥራይ ነንሓድሕድና ይቕረ ንበሃሃል።
- ሓቅኻ ኢኻ። እቲ ዝሓለፈ ጌጋታትና ነቶም ደቅና ተመክሮ ኮይኑዎም’ዩ፡፡ ሕጂ ድማ
ተላዚብናን ተፋቒርናን ጽቡቕ ኣብነት ንኹኖም። ኣነ ካብ ሎሚ ጀሚረ ይቕረ እብል
ኣለኹ።
- ይቕረ! ይቕረ!
- ንስኹም ዝገበርኩሞ የብልኩምን። እቲ ጌጋ ኩሉ ካባይ’ዩ። ሕማቕ ልምዲ ሒዙኒ፡
ኣቦታተይ ዝገብሩዎ ዝነበሩ ኣብ ዘይቦትኡን ግዜኡን ከተግብር ክብል ኣብ’ዚ ኩሉ
ጸገም ዘእተኹኹም ባዕለይ እየ። ኣነ’ውን ይቕረ እብል።
- ኣነ’ውን ይቕረ እብል! እዚ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ስምብራት ንሕማቕን ጽቡቕን
ከየነጻጽር ከልኪሉኒ ጸኒሑ’ዩ።
- ኣዳላ፡ ንስኻ ዝበደልካዮ የብልካን። ብሰንከይ ኢኻ ናብ’ዚ ኩሉ ጸገም ዝኣተኻ፡ ሕጂ
ከኣ እንቋዕ ረቢ ብሰላም ናብ ገዛኻ መሊሰካ! ይቕረ ንኩልኹም!
- ይቕረ! ይቕረ! ይቕረ!
- Scene 606
- ስምዒ ምሕረት? እንታይ ድኣ ስተልን ናድያን ደንጒየን? ናይ ድሓን ድየን?
- ዘገርም’ዩ! ንስኺ’ውን ኣይፈለጥክን ዘለኺ።
- እንታይ ተረኺቡ ድዩ?
- ኣነ’ሞ እንታይ ክብል’የ? እቲ ዝርዝር ከባኺ ክረኽቦ’የ እየ ዝብል ነይረ። ግና ኣብ’ቲ
ገዛ ጋሻ ኣለና ኢለን ዝተፈላለየ ዓይነት መግቢ ይሰርሓ ነይረን።
- ናይ ምንታይ ኮን ይኸውን? ኣይፈለጥክን? ኣነ ፈሊጠ ነይረ እንተዝኸውን ንሳብሪን
ጓለይ ምሰደድኩለን ነይረ።
- ክሳብ ሕጂ ዝፈለጥኩዎ የብለይን። እቶም ቈልዑ ግን፡ ኣብ’ቲ ጎደና እናተጻወቱ
ናድያ ትሕጸ ኣላ ይብሉ ነይሮም።
- ናድያ እዛ ጀማል እናበለት ንዓመታት ዝጸንሔት? እንታይ ሓድሽ ነገር ተረኺቡ
ሕጂ? እዋይ! ጀማል ክጽለል’ዩ።
- ክጽለል እንተበሉኺኸ! ንሕና ኖራይ ኣብ ልቡ ተመሊሱ ንጀማል ወዱ ከሕጽዮ ኢዩ
ድኣ ንብል ነበርና’ምበር…
- ኖራይን እዚ ምስጢራቱን፡ ንሕና ጀማል ምስኡ ምተሓጎስና እምበር ንምንታይ
የሓብኣልና፡ (? ? ?)
- እንቋዕ ጥራይ ሓጎስ ኮነ!
- እወ፣ እንቋዕ ሓጎስ ኮነ!

Scene 268

- ኩሉ’ቲ ዘንበብናዮ ኣጽኒዕክዮዶ?


- እወ።
- በቃ! ውሽጢ ኣቲኺ ድገምዮ፣ ክሓትተኪ’የ።
- ስምዕኒ!
- ኣሃ?
- እንታይ ድኣ ዘይውዳእ ምብጻሕ ሒዙኪ። ኣብ’ዛ ገዛ ሎሚ ጥራይ ትጸንሕኒ ኣለኺ።
ኣብ ካልእ ኮለል እናበልኪ ወርቃዊ ዕድል ከየምልጠኪ።
- ጸላኢና ንቤተሰቡ ኣይብጻሕ! ንካልኦት ዘይበጽሕ ሰብ ድማ ንጹል’ዩ።
- እሞ ንሕና ናብ ሰባት ስለዘይንበጽሕ ካብ ሰብ ንጹላት ኢኹም ትብልና ኣለኺ?
ንሕና ክንምዕደኪ ኢና ንሓስብ። ግን ከኣ ንፈርሓኪ ኰንና ። ስቕ ምባል ይሕሸና።
- ማማ ላሕ ኢላ በቃ! ሓንሳብ መርዓ፡ ሓንሳብ ሕጸ፡ ሓንሳብ ስመያት እናበለት ኣብ
ዘይትበጽሖ የብላን። ረቢ ንጥዕናኣ ጥራይ ይግበሮ።
- ድሓን’ዩ እዛ ጓለይ።
- ሓቅኪ ኢኺ ናድያ ጓለይ። ምብጻሕ ሕማቕ ኣይኮነን። ደረቱ እንተሓሊፉ ግን
ኣይግድን ንምባል ኢና።
- ሕጂ ናድያ ጓለይ ብወልፊ ርእሰይ የሕምመኒ ስለዘሎ ጅንጅብል ዝበዝሓ ቡን
ግበርልና። ኣዴኺ’ውን ካብ ገዛ ናብ ገዛ እናዞረት ደኺማ ኣላ፣ ምስኪነይቲ!
- ኣነ ዋላ ሓንቲ ድኻም የብለይን። ንስኻን ጓልካን ነቲ ቅዱስ ምብጻሕ ከምዘይጠቅም
ከም ኮለል ሓሲብኩሞ ድኣ ኣሰኪፍኩምኒ’ምበር። (? ? ?) ንስኻ
- ሓቅኺ ኢኺ፣ ድሓን…
- Scene 10
- ስምዕኒ ናድያ ጓለይ፡ ንስኺ ማሸአላ ዓይኒ ኣባይኪ ይደፈን ብትምህርትኺ፡
ብብስለትኪ፡ ብጠባይኪ ልዕሊ ኩሉ ኢኺ። (? ? ?)
- እወ፡ ሳላ ናድያ ጓለይ እንዲና ንኾርዕ ዘለና። ዕድመን ጥዕናን ይሃበልና!
- እንታይ ዓይነት ሰበይቲ ኢኺ? ዘረባና ከይወዳእና ኣብ መንጎ ትኣትዊ? እዋእ! እዚ
ሕማቕ ኣመል’ዩ።
- ድሓን፡ ኣይትሓዙለይ። ዝሓሰብኩሞ ተዛረቡ። ዘይንጽቡቕ ናዱ ጓለይ’ዩ ዝኸውን።
- ስምዕኒ ናድያ ጓለይ፡ ንስኺ ብዕድመ ዓቢኺ፡ ብትምህርቲ ድማ ዩኒቨርሲቲ ወዲእኪ
ኢኺ። ድሕሪ’ዚ ኩሉ ጓል ኣንስተይቲ ገዝኣ ኢዩ ዝሰትራ። ንሕና ሎሚ ሓዳርኪ
ክንርእን ውላድኪ ክንሓቁፍን’ዩ ድልየትና።
- እወ፡ ሓቁ’ዩ ኣቦኺ።
- እሞ እንታይ ክትብሉ ስለዝደለኹም ኢኹም ባባ? ካባይ ዝጎደለ ነገር እንታይ ኣሎ?
- ኖኖእ! ዘይበልና! ንስኺ ትወስኽልና’ምበር ተጒድልልና መዓስ ኢልና። እንተኾነ
ቀደም ትምህርተይ ክወድእ ትብልና ኔርኪ። ትምህርቲ ተወዲኡ፣ በኣኺ ዝሓትቱና
ሰባት ድማ በዚሖም። ኣመና በዚሖም!
- እንታይ ኢሎም ይሓትቱለይ?
- ንመርዓ’ምበር ካልእ እንታይ ኣሎ? ሓደ ኣብ ስዑድያ ዝነብር ሃብታም ወዲ ኣሎ።
ሓቲቱልኪ። ዑስማን ኬር ድማ ይብሃል፡ እዚ ሰብ’ዚ ሃብታምን ለባምን’ዩ።
- እንታይ ድኣ ስቕ ኢልኪ ናዱ ጓለይ? ወዲ ዑስማን ኬር ንኹልና ይኸውን’ዩ። ቀደም
ክሳብ ትምህርተይ ዝወድእ ትብሊ ኔርኪ። ትምህርቲ ግን እነሆ ተወዲኡ። ሕጂ
ዘረባ ኣቦኺ ስምዒ ድራረይ።
- ቀደም ጓልና ትምሃር ኣላ ንብል ኔርና። ሕጂ ግን እንታይ ክነመኽኒ ኢና?
- እዚ ዕድል’ዚ ብመሰረቱ ክሓልፍ የብሉን። ሃብታማት ብቐሊሉ ዝርከቡ ኣይኮኑን።
- ኣሃ! ብርያል ስዑዲ ክትሸጡኒ ትደልዩ ኣለኹም ሙሽ?
- ኣይፋልናን፣ ጸላኢኺ ይሸየጥ!
- Scene 19
- ሕጂ ካብ’ዚ ዕዮ-ገዛ ከወጻኣልኪ ኣጽንዒ፣ መርመራ ቀሪቡ ኣሎ። ድሓር ሎም-ዘበን
ጀነራል ይጽበየኪ ኣሎ፡ ፈሊጥኪ ኣለኺ? ጸወታ ተብዝሒ ኣለኺ።
- ኣይተጻወትኩን። አጽንዕ እንድየ ነይረ። ዋላ ትማሊ ከጽንዕ’የ ውዒለ።
- ኣይትሓስዊ! ኣይትሓስዊ! ምስ ኣዋልድ ኣቦይ ኣዳላን ኣቦይ ዓንዶምን ትጻወቲ
ኣይነበርክን? (? ? ?) ደቂ
- ንሳተን’የን ሓንሰብ ሃክቲ ንጻወት ኢለናኒ። ድሓር ባዕላተን’የን መጺኤናኒ።
- ድሓን፡ ድሓንም ሕጂ መርመራ ቀሪቡ ኣሎ። ጸወታ ይኣኽለኪ፣ ኣጽንዒ።
- Scene 202
- እንታይ ክንዲ’ዚ ካብ ገዛ ጠፊእካ? ቁሩብ ቅልቅል ኣይትብልን?
- ወላሂ ሓቅኺ ኢኺ። ዕድል ስኢነ። ሓደ እንተመላእና ሓደ ይተርፍ ኮይኑ’ምበር
ወትሩ ክመጽእ እናበልኩ’የ።
- ዶ? እዚ ምኽንያታት’ዚ ኣይሰርሕን’ዩ። ኣግሂድካ ክመጽእ ኣይደለኹን ዘይትብል?
- ንስኺ ንሕሜታ ጥራይ ዲኺ ትቀዳደሚ? ድሓር ንስኺኸ ናብ ገዛና ምምጻእ
ኣይፍቀደልክን ድዩ? እስኪ ናብ ገዛና መዓስ መጺእኪ ትፈልጢ?
- መጺኤ ነይረ። ገዛ ኣይነገሩኻን ድዮም? ቅድሚ ትማሊ’ውን ቅልቅል ኢለ ነይረ።
- ርኢኺ፡ ቅልቅል ምባል ምብጻሕ ኣይኮነን። ምብጻሕ ዝብሃል ከም’ዚ ናተይ ብመደብ
ምምጻእ’ዩ። ድሃይ ጀማልከ?
- ኣሃ? ጀማል ኢልካ? ጀማል ካባይ ንላዕሊ ንዓኻ እንድዩ ዝቐርብ። ንስኻ ድሃዩ
ዘይፈለጥካ ኣነ ከመይ ገይረ እፈልጥ?
- ኣይትሓስዊ እስከ!
- ሓሶት ኣይኮነን፣ ሓቂ’የ ዝዛረብ ዘለኹ። ሙሽ ዓርክኻ’ዩ?
- ዓርክኻ’ዩ ኢልኪ? ድሓን፣ ሕጂ ንምንታይ ደንጒዩ?
- እንድዒ፣ ነቲ ድኳን ዝሕዘሉ ግዲ ስኢኑ ኮይኑ።
- ክኸውን ይኽእል’ዩ።
- Scene 23
- ናድያ ክሳብ ሕጂ ትጽሕፍ ኣላ?
- እወ፡ ኩሉ ኣቓልቦኣ ኣብ መጽሓፍ’ዩ ኮይኑ።
- ሃየ ኣቦ!
- መርሓባ!
- እንታይ ደኣ ትማሊ ምሸት ደንጒኺ? ንሕና ድማ ተሻቒልና።
- ኣላ ማማ! ዓብየ እንድየ፣ ንምንታይ ብኣይ ትሻቐሉ?
- ጓል እንዲኺ፣ ጓል ብእዋኑ እንተዘይኣትያ ንሻቀል’ምበር። ጓል ኣብ ደረጃ መርዓ
እንተበጺሓ ገዝኣ ኢዩ ዝሰትራ።
- ናዱ ጓለይ፡ ጓል ዕድሚኣ እንተኣኺሉ ብዘይካ ገዝኣ ዝሰትራ የለን።
- ክሳብ ክንድ’ዚ ጸሊእኩምኒ ኣለኹም? እንታይ ድኣ ‘ገዝኣ ገዝኣ’ ኣብዚሕኩም?
ገዛኹም ግዲ ኣጻቢበልኩም’የ።
- ኖኖእ! ኣይበልናን። ንዓኺዶ ኣይኮንናን ክንዲ ወድን ጓልን ንሓስበኪ ዘለና።
- እወ፡ ገዝኣ’ዩ ዝሰትራ ክንብል ከለና ስለዝጸላእናኪ ኣይኮንናን። ካብ ሓልዮት
ዝነቐለ’ዩ ኣበሃህላና።
- እዛ ሓፍትኺ ከኣ ኩሉ ግዜ ንእሽቶ! ኣይትዓብን ድያ? ወትሩ ጸወታ ጥራይ?
- ኣነ ንእሽቶ ከለኹ ከምኣ ነይረ ማማ?
- ንስኺስ ወረጃ ኢኺ ኔርኪ፡ ንእሽቶ ዓባይ ኢኺ ኔርኪ።
- ኣነ ዘየቕሰነኒ ነገር ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ጓልና ትምሃር ኣላ ንብል ኔርና። ሕጂ ድማ
ተማሂርኪ ንዓኺ ኰንኪስ ነዓና’ውን ኰንኪ። (? ? ?)
- እወ፡ ናድያ ጓለይ፣ ጓል እንተጎቢዛ ብዘይካ ገዝኣ ዝሰትራ የለን። ድሓር ኩሎም’ዞም
ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ሃብታማት ጓልኩም ሃቡና እናበሉ ኣሸጊሮምና። ሕጂ ድማ
ዘረባና ስሚዕኪ ሓዲኡ ኣፍልጥና።
- ድሕሪ ሕጂ እዞም ሰብ ማል እንተሓቲቶምና ትብጻሕኩም ክንብሎም ኢና፡ ንስኺ
ጥራይ ብኣወንታ ተቐበልና። (? ? ?) ብእወታ
- ሰብ ወጻእን ሰብ ገንዘብን እንታይ ማለትኩም’ዩ? መሸጣ ድዩ ወይስ መርዓ ኢዩ’ዚ?
ኣነ ኣብ’ዚታት የለኹን።
- ኖኖእ! ኣይበልናን። ጸላኢኺ ይሸየጥ ናድያ ጓለይ። ሰብ ካብ መዓስ ውላዱ ይሸይጥ?
- እዛ ጓለይ ዘረባና ስምዒ።
- እሞ ብግዲ ክነመርዕወኪ ኢና ትብሉ ኣለኹም?
- ንግድደኪ የለናን። ጽቡቕኪ ስለዝደለና ምሳኺ ንላዘብ ኣለና እዛ ጓለይ።
- ጽቡቐይ ትደልዩ እንተዀንኩም ተዓገሱ። እዚታት ኣብ ሓንጎለይ የለን።
- ዶ? ተጸበዩ ኢልክና? ድሓን፡ ንሕና ጽቡቕኪ ስለዝደለና ኢና’ምበር ካልእ ኣይኮነን።
- ተካል ሞባይል ርኢኽያ (? ? ?)
- Scene 30
- ናድያ ጓለይ ብስራሕ ገዛን ደገን ደኺምኪ። ስቕ ኢልና ብሕጸን መርዓን ንዛረብ
ኣለና’ ምበር ነብስኺ ተበላሽዩ ኢዩ ዘሎ።
- ስራሕ ንብሲ ኣየበላሹን ኢዩ። ስራሕ ክብረት’ዩ ኣቦ።
- ኖኖእ! ከም ጓል-ኣንስተይቲ ቁሩብ ክተዕርፍልና ደሊና ኢና ንዛረብ ዘለና።
- ስራሕ ትብሉ ኣለኹም? ስራሕስ ድሓን ነይሩ። ሓንሳብ ትምህርቲ፡ ሓንሳብ ዕዮ ገዛ
እናበለት ኣዲኣ ትደፋእ ኣካላ ማሲኑ ትርእዩዋ የለኹምን?
- ስራሕ በዚሑ! ሓንሳብ ትምህርቲ፡ ሓንሳብ ትምህርቲ ምምራሕ መኪና፡ ሓንሳብ
ኮምፕዩተር! ኣብ ክንደይ ክትምቀሊ ኢኺ ናዱ ጓለይ?
- ረቢ ይሓግዛ! እንታይ ክንብል ኢና’ሞ ንሕና?
- ባባ፡ ትምህርቲ መወዳእታ የብሉን።
- ገጹ ትርሓቕ ሞባይላት ዘበን። (? ? ?)
- Scene 35
- ሃለው
- ሃለው ናድያ! እንታይ’ያ ቴሌፎንኪ ቢዚ እናበለት ኣቕቢጻትኒ?
- እወ፣ ምስ መሓዛይ ሒዘያ ነይረ፣ ማዕሌሽ! እንታይ’ዩ? ናይ ድሓን?
- ደሓን’ዩ፣ ሓገዝኪ ዘድልዮ ጉዳይ ነይሩኒ።
- ዝኽእሎ ይኹን’ምበር ጸገም የለን።
- ምኽኣል’ኳ ኣጸቢቕኪ ትኽእልዮ ኢኺ። ዘይስራሕኪ’ዩ።
- ካብ ምምሃር ሓሊፈ ካልእ እንታይ ሞያ ኣለኒ?
- ኣነ ዝደልያ ዘለኹ’ውን ንሳ’ያ።
- እዋእ! ኮለጅ ግዲ ክትጅምር ደሊኻ ኢኻ። ወይስ ቱቶርያል ትደሊ ኣለኻ?
- እቲኣ ድኣ ሓንሳብ እንተ’ምሊጣ ክትምለስ ኣሸጋሪት እንድያ። ሕጂ ንጓል ኣቦይ
ኣዳላ ሓገዝ ትምህርቲ እደልየላ ስለዘለኹ ንስኺ ትሕሺ ስለዝበልኩ’የ።
- ኣየነይቲ ጓል ኣቦኻ ኣዳላ ትብል ኣለኻ?
- እታ ንእሽቶ ጸወታ ተብዝሕ ኮይና። ከም ሳብሪን ሓብታ ክትነፍዕ ንደልያ ኣለና።
- ድሓን፡ ጸገም የለን፣ እቲ ግዜና ጥራይ ክሰማማዕ ኣለዎ።
- ድሓን፡ እዚ ብቴሌፎን ዝኸውን ኣይኮነን። ብሓንሳብ ኮፍ ኢልና ንመያየጠሉ።
- ሕራይ ጽቡቕ!
- ሕራይ፣ እሞ ምሸት ኣብ ዓሮቦና ዘይንራኸብ?
- ሕራይ፣ ግን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሓሙሽተ ኢዩ ዝጥዕመኒ። ድሕሪኡ
ኣይጥዕመንን’ዩ።
- ሕራይ።
- ኮይስ ቻው!
- Scene 38
- እወ፣ እወ፣ በቃ ሕጂ ተረዲኤካ ሓወይ።
- እቲ ጀማል ዝብሃል ወዲ ዘገርም’ዩ።
- ድሓንዶ ውዒልኩም?
- መርሓባ! እንታይ ድኣ ሎሚስ ገጽኪ በሪሁ ናድያ ጓለይ?
- ስራሕ ረኺበ ኣቦ። ጀማል ወዲ ኣቦይ ኖራይ ንጓል ኣቡኡ ኣዳላ ክምህረሉ ደልዩኒ
ኣሎ።
- ማሸኣላ ጽቡቕ! (? ? ?)
- ጀማል ጀማል ክትብል እሰምዓ ኣለኹ እዛ ጓልካ፣ እንታይ ፈሊጠ ።
- ጀማል ብጠባዩን ትዕግስቱን ጥዑይ ሰብ ኢዩ። ድሓር ኣቦኡ ሓግዘኒ ኢሉ ካብ ኮለጅ
ኣውጺኡዎ’ምበር ንፉዕ’ዩ ነይሩ። እዛ ናድያ ጉልና’ውን ብሓገዙን ሓገዝ ረብን ኣብ’ዚ
ደረጃ’ዚ ከምዝበጽሔት ኣይትረስዒ።
- እወ ሓቅኹም፣ ንፉዕ ወዲ ኢዩ።
- እንቋዕ ካልእ ሰብ ኣይኮነ። ድሓር ንሱ ንዓኹም’ውን ይፈትወኩም ኢዩ።
- ማሸኣላ! (? ? ?)
- ፈሊጥና ኣለና ጓለይ፣ ብዘይካ ጀማል መን ኣሎ መዓልታዊ ሳንጥኡ መሊኡ ዝመጽእ?
(? ? ?)
- እወ፣ ድኳኑ ወዲእናሉ ማማ። (? ? ?) ጓሕጒሕናያ/ጥራያ ኣትሪፍናያ
- ንሕና ብኣኽን ብኣዳላን ኢና ፈሊጥናዮ’ምበር ኣይንፈልጦን ኢና ኔርና።
- ንዓይ ስለዝፈለጠ ዘይኮነ ክህበኩም ስለዝደለየ’ዩ።
- ስምዕኒ ናድያ ጓለይ፡ እዚ ጀማል ምስ ስድርኡ ከመይ’ዩ?
- እንድዒ! ኣነ ዝፈልጦ የብላይን። ግን ደሓን’ዩ፣ ጽቡቕ’ዩ።
- ጽቡቕ። ዝያዳ ናድያ ኢያ ትፈልጦ ኢልና ኢና።
- ካባኹም ንላዕሊ ኣይፈልጦን’የ።
- ድሓን፣ ድሓር ኖራይ ድኳን ምስ ገበረ ዓጊቡ’ዩ።
- እወ ዓጊቡ።
- Scene 40
- ንእንዳ ኣዳላ ዝሕግዞም ዘሎ ዘይንሱ’ዩ። ማሸኣላ! ሱፐርማኬቱ ኣይርኣኹማን
ዲኹም? (? ? ?)
- ማሸኣላ! ኖራይ ድማ ረቢ ማል ሂቡዎ ንኣዳላ ሓዉ ይሕግዞ’ዩ።
- እወ፣ ይሕግዞም ኣሎ። ገፊሕ ገዛ ክካረየሉ ይሓስብ ኣሎ ኢሎሞ።
- ሕጂ ግን ይሓምም ኣሎ ኢሎሞ፣ ምስኪናይ።
- ጥዕና ይፍጠረሉ መስኪናይ! ናድያ ጓለይ፡ እዚ ጀማልሲ ተሓጽዩዶ ይመስለኪ?
- ገና ኣይተሓጽየ ኣይተመርዓወ።
- ናድያ ጓለይ ካባና ንስኺ ትሕሺ። ንኩሉ’ዚ ሰብ ትፈልጥዮ ኢኺ።
- ሕጂ ሙሽ ንፈልጦ ኢና፣ ጥዑይ ወዲ’ዩ ትብሉ ኔርኩም?
- ንጻወት ኢና ዘለና’ምበር ጀማል ወድና እንድዩ፣ ኣጸቢቕና ንፈልጦ ኢና።
- እሞ ኣይተሓዙለይ፦ ቁምነገርኩምን ጸወታኹምን ይተሓዋወሰኒ ኣሎ።
- ስምዒ ናድያ፡ ጀማል ንምንታይ’ዩ ትምህርቲ ኣቋሪጹ?
- ወላሂ ኣቦኡ’ዩ ‘መስለኒ ነቲ ድኳን ሓዘለይ ኢሉዎ። ካብኡ ንድሓር ንሱን ድኳኑን
ኮይኑ።
- ድኳን እንተገይሩሉ ድኣ ድኳን ይሕሾ። ትምህርቲስ መወዳእትኡ ዘይንስራሕ’ዩ።
- ይሕሾ እወ።
- Scene 50
- ስተል ጓለይ ርኢኺ? እዛ ቡንኪ ዝወዳደራ የለን።
- እንድዒ!
- ርኢኺ? ብወልፊ ቡን ርእሰይ ኣብ ክልተ ተመቒላ ጸኒሓ። ሓደ ፍንጃል ምስ ሰተኹላ
ንእለቱ ሓውያ። ናይ ነፍሰሄር ኣሞይ ሳዕድያ ቡን ኣዘኪራትኒ።
- ከይሰተኻ ውዒልካ?
- ሎሚ ንግሆ እዞም እንዳ ኖራይ ብንእሽቶ ጀበና ኣፍሊሖም፡ 10 ፍንጃል ኣብ ሸሓኒ
ቀሪቦም፡ ነፍሲ-ወከፎም ከም ሻሂ ክቐድሕን ክሰትን ምስ ርኣኹዎም እቲ ዝነበረኒ
ወልፊ ካብ ርእሰይ በኒኑ።
- ነቲ ብዝሒ ጸሊእካ ከይትኸውን’ምበር ቡን ዶንክ ሓፍተይ ዝመስልዎ የለን።
- ንየው በልያ! ንሳ ናይ ኣዲኣ’ያ ወሲዳ። ድሓር ቡን ውሑዳት ይሰትዩዋ’ምበር ኩሉ
በብዘለዎ ፍንጃሉ እንተ’ንበረላ ትርጉም የብላን። ሓደ ወልፊ ቡን ዝነበሮ ሰብኣይ
ንቡን ከምዚ ገጢሙላ፦
ቡን ክልተ ኰንካ ስተያ ክትፈልጥ መቐረታ
ሳልሳይ እንተመጺኡካ ክልተ ሃቦ ካብ ኣወላ
ራብዓይ እንተመጺኡካ ይበላሾ ማሕበራ (? ? ?) ሕብራ
ሓምሻይ እንተመጺኡካ ርእሳ ስበራ
ሻድሻይ እንተመጺኡካ ኣብ መሬት ገምጥላ!
- እሞ ጀበንኦም ሴርኩምሎም ኣቦ?
- ብኻ ከምኡ ገይረሎም! ወልፈይ ክፍውስ ዝሓሰብኩዎ መሊሶም ወልፊ ወሲኾምኒ።
ድሓር ካብኦም ምስ ወጻእኩ ዓንዶም ተቐቢሉኒ።
- ደሓራይከ?
- ቡን ምሳይ ክትሰቲ ኢሉ ናብ ገዝኡ ወሲዱኒ።
- እሞ ምሕረትከ ጥዑይ ቡን ጌይራትልኩም? ምሕረት ሓፍተይ ተቐባሊት ጋሻ’ያ።
- ቡን ምሕረት’ውን ካብ ቡን ኖራይ ኣይሓሸትን። መጀመርታ ኣሕሪረታ…
- ኣሃ?
- ደሓር ድማ ብክንዲ ጓጉድ ዝኸውን ፍንጃል ቀዲሓ ሂባትኒ። ሕጂ’ውን ወልፈይ
ኣይተፈወሰን። ብሰንኩ ድማ ትርግታ ልበይ ደርጋ ኣብ ከረን ትስማዕ ነይራ።
እስቶሞኮይ’ውን ኣላዒላትለይ። ቡን እዛ ንርእያ ዘሎና ቡንኪ’ያ።
- እሞ ብዘይ ድልየትኩም ንምንታይ ሰቲኹማ ኣቦ?
- ከይኣቢ ተሰኪፈ። ግን ዓንዶም፡ ኩነታተይ ግዲ ተረዲኡ፡ ጅንጅብል ወስኽሉ
ኢሉዋ። ንዓይ ድማ ኩባያ ጸባ በጽቢጹ ሂቡኒ።
- ጽቡቕ ገይሩ!
- ነቲ ጸባይ እናሰተኹ፡ ምሕረት እንታይ ከምዝሓሰበት እንድዒ፡ ነታ ጀበና ጎጽጒጻ
ኣብ መሬት ኣፍሲሰታ። በዝን ወዲ ከም’ዝን ድማ ብውሉፈይ ናባኺ መጺኤ
ኣለኹ።
- ምሕረት ቡን’ያ ተብዝሕ’ምበር ጅንጅብል ብዙሕ ኣይትገብረላን’ያ። ድሓር ድማ
ጥዑም ቡን ኣይበልካያን ‘መስለኒ።
- ከይጠዓመት ከመይ ጌይረ ጥዑም ቡን ክብላ? ድሓር ቡን ክተሕርራ የብልካን።
- ቡንና ደርጋ ተሰትያ’ያ። ሕጂ ምሳሕ ከምጽኣልካ።
- ምሳሕ ኢልኪ?
- እወ ምሳሕ፡ ሕውስዋስ ሰለጣን ሩዝን ዓሳን ገይረ ኣለኹ።
- ኣቦኺ ከም ብዕራይ ቆጽሊ ኣይበልዕን’ዩ።
- እንታይ ኢልኩም ኣቦ?
- እዚ ዝበልክዮ ሰለጣ ጃርድያ’ዩ ዝገብረለይ። እዚ እንስሳ ባሕሪ ድማ ጠባብቕ
ስለዝመስለኒ እፍንፍኖ’የ፣ ኣይበልዖን’የ።
- እሞ ማኮሮና ክገብረልካ ጽንሓኒ።
- ኖኖእ፣ ጥዕይቲ ቡን ኢና ሰቲና። ንሳ ትኣኽለኒ። እዞም እንዳ ኣዳላ ሎሚ ድዑል
ሓሪዶም ስለዘለው ምሳና ውዓል ኢሎም ስለዝዓደሙኒ ከኣ ናብኦም ክኸይድ’የ።
- ክኸይድ እየ እንተኢልኩም ድሓን። ገዛ ግን ገዛኹም’ዩ፣ ምጽኡ።
- ንስኺ ጥዕይቲ እንዲኺ፡ ቡንኪ ድማ መዓስ መጀመርታና ኮይና፣ ካብ ቀደም እንዲና
ንሰትያ ኔርና።
- መርሓባ! መርሓባ! ጻዕዳ ይጽናሕኩም!
- Scene (እምበል ዕልብ)
- ኣሰላም ወዓለይኩም ሳልም!
- መርሓባ! ኣርሕብ! ንቐደም በል።
- እዚ ገመድ ናይ ጓልካ’ዩ። ቦርሳኣ ኣብ መንገዲ ደርብያ ሃክቲ ክትጻወት ጸኒሓትኒ።
ተኸታተሉዋ።
- ከምኡ ገይራ?
- እወ፣ ከምኡ ገይራ።
- የቐንየልና! ጽቡቕ ጌርካ።
- Scene 55
- ባባ እንታይ ገመዱ’ዩ እዚ? ኣበይ ረኺብካዮ?
- ኣቦኺ ሎሚ ከም ነጃት ሓፍትኺ ሃክቲ ክጻወት’ዩ ‘መስለኒ። እንታይ ድኣ ምስገመዱ
መጺኡ?
- ድሓን፣ ንስኽን ተላገጻ። ዋላ ሓንቲ ስራሕ የብልክንን እንዲኽን። እዛ ጓል
ዘይትከታተልኣ? ኣነ ንበይነይ እንታይ ክገብራ እኽእል? ኩሉ ግዜ ጸወታ-ጸወታ! ንሕና
ናብ ቤት ትምህርቲ ንሰድዳ ንሳ፡ ድማ ምስ ገመዳ ናብ ሃክቲ ትወፍር። ዘገርም’ዩ።
- እንታይ ትብሉ ኣለኹም? እዛ ጓል ሕጂ እንዲና ናብ ቤት ትምህርቲ ኣፋኒናያ።
- ምፍናው ኣይኮነን። ደቅና ክሳብ ኣብ ክፍሊ ዝኣትዉ ክንከታተሎም ኣለና፣
ባፋንኩሉ።
- ባባ፡ ምስማዕ እንተኣብያ እንታይ ክንገብራ?
- ከም’ዚ እንተኾይኑ ንጓልና ኩልና ክንከታተላ ኣለና’ምበር ስዲ ትኸይድ ኣላ።
- ንስኺኸ ናበይ ትኸዲ ኣለኺ? ሎሚኸ መርዓ ድዩ ሕጸ?
- ባባ፡ ማማ ብዘይካ መርዓን ሕጸን ካልእ ስራሕ የብላን?
- ኣቦኺ የካፍእ’ምበር ንሕና ካብ ሰብ ዝተገለልና ኣይኮንናን። ዕቁብን ምብጻሕን ድማ
ዝነብረን ዘሎን’ዩ። ሕጂ ድማ ናብ ስራሕ’የ ዝወፍር ዘለኹ።
- ኣነሲ ናይ መን መርዓ ወይ ሕጸ ኣሎ ኮይኑ’ዩ እየ ዝብል ነይረ። በቃ! ኮለል ጥራይ
በሊ።
- ኣነ ጓሉ! ካብ ሰብ ክትንጽሉና’ስከ ህርድግ ኣይትበሉ። እንተነፊዕኩም ብጽሑ፣
እንተዘይኮነ ግን ሰብ ኣይተቆናጽቡ። ሕጂ እንታይ ንግበር? ኮፍ ንበል ወይስ ንኺድ?
- ስራሕ እንተኾይኑ ኪዲ ጻዕዳ ይጽናሕኪ።
- ድሓን ውዓሊ ማማ!
- Scene 52
- ትሰምዒ ኣለኺ? ጸወታ ተብዝሒ ኣለኺ። ድሓር እዚ ጥራውዝትኺ ወጅሃላይ
ኣይትሓዝዮ፣ እንታይ’ዩ እዚ?
- ሕራይ ናዱ ሓፍተይ፡ ትማሊ’ውን ምስ በዓል ሳምያን ሄቨንን ነጽንዕ ኔርና።
- ንስኺ ምስ ሄቨንን ሳምያን እንተተራኺብኪ እንትርፎ ጸወታ መጽናዕቲ የለን።
- ኖኖእ፣ ነንብብን ዕዮ ገዛና ንስርሕን ኢና ኔርና።
- ኣይትሓስዊ! ሕጂ ብቕልጡፍ ናብ ቤት-ትምህርትኺ ኪዲ። ድሓር ድማ
ተጠንቂቕኪ ናብ ገዛኺ ተመለሲ።
- ሕጂ ግን ምስ ሄቨን ጓል ኣቦይ ዓንዶም ክኸይድ’የ።
- ሃለው ጂሚ!
- Scene 52
- ኣይፈለጥናን’ምበር እንዳ ኣዳላ ትማሊ ሕጸ ነይሩዎም ኢሎሞም።
- መቺም ንስኺ ፈቐዶኡ ኮለል እናበልኪ ሓድሽ ወረ ተምጽእልና ኣለኺ።
- ኣይሰማዕናን በሉ’ምበር እቲ ወረስ ሓቂ’ዩ ዝመስል።
- ማማ፡ ሳብሪን ተሓጽያ ጥራይ ከይትብልኒ!
- ተወሃሂቦም ሰሚዔ ነይረ፣ ነዚ ሕጸ’ዚ ግን ራየት ብመሰረቱ ኣይተቐበለቶን ኢሎማ።
- ሳብሪን እታ ንፍዕቲ ተማሃሪት? ንእሽቶ እንድያ! ከመይ ገይሩ ይኸውን?
- ምንኣስሲ ንእሽቶ ኣይኮነትን። ኣዴኺ’ውን ክትምርዖ ከላ ካብኣ ትንእስ’ያ ኔራ። ጓል
16 ዓመት እንድያ። እንታይ ንእሽቶ ገይሩዋ?
- ጓል 16 እንተኾይና ንእሽቶ’ያ። ሎሚ ሓንቲ ጓል ክትምርዖ እንተኾይና ካብ 18
ዓመት ንላዕሊ ክትከውን ኣለዋ።
- እሞ ኣነ ጓል 16 ዓመት ከለኹ እንድየ ተማርዕየኩም። ስለምንታይ ክሳብ 18 ዓመት
ዝኸውን ዘይተጸበኹም?
- ናድያ ጓለይ፡ እዛ ኣዴኺ ኩሉ ግዜ ንእሽቶ ክትባሃል’ያ ትደሊ። ንስኺ ጓል 20 ዓመት
ኢኺ ኔርኪ። ኣብ ሰውራ ትሕቲ 18 ዓመት ኣይኮነን ንመርዓ ንዝምድና’ውን ፍቑድ
ኣይነበረን።
- ሻዕብያ መዓስ ኣብ ስመያተይ ተሳቲፎም። ድሓር ኣይትጋደልን ኢኺ ከይብሉኒ
ስለዝፈራሕኩ ዕድመይ ኣብዚሔ’የ ኣጽሒፈዮ። ድሓር ከኣ ኣተዓባብያይ ጽቡቕ
ስለዝነበረ’የ ጓል ዕስራ ዓመት ዝመስል ነይረ።
- ስምዓኒ ባባ፡ ሳብሪን ካብ’ተን ንፉዓት ተማሃሮ’ያ። እዚ ከመይ ጌሩ ይኸውን?
- ሕጂ ተወሃሂቦም እምበር ሕጸ ኣይገበሩን። ድሓር ዝኾኖ እንድዒ፣ ኣብ ሓድሕዶም
ስምምዕ የብሎምን።
- እዋይ! ንእሽቶ ቆልዓ’ያ፣ ዕድላ ክሰብሩላ’ዮም።
- ኖኖእ፣ ጓልና ካብ ነጃት ብሰለስተ ዓመት ትዓቢ። ከመይ ኢላ ንእሽቶ ትኸውን?
- ንስኻትክንን ቤላ-ቤለው ክትብላ ብጥሜት ተኾስቲርና። ዝብላዕ የብልክንን ዲዩ?
- ኣሎ ባባ፣ ይውዒ ኣሎ። ሳብሪን’ውን ሕጂ ክትመጽእ’ያ። ነዛ ገዛና ትፈትዋ’ያ። ሕጂ
ትምህርቲ ከረድኣ እየ። (? ? ?) ሳብሪን
- ጽቡቕ ጌርኪ’ዛ ጓለይ፣ ንጽድቂ ይኾነኪ። ንኹሉ ተረድኢ ተረድ ኢ ዕድመን ጥዕናን
ይሃብኪ!
- ጽቡቕ ጌርኪ ኣረድእያ። ጽቡቕ ዝገበረ ጽቡቕ’ዩ ዝረክብ። ድሓር ኣዳላ ምስኪን
ኢዩ። ንዕኦም ምሕጋዝ ኣይጽላእን’ዩ።
- እሞ ናድያ ጓለይ ንኣቦኺ መግቢ ቀርብሉ። ኣነ ናብ’ዞም እንዳ ናፍዕ በጺሔ
ክምለስ’የ።
- ሕራይ፡ ሕራይ።
- Scene 83
- እምበይተይ፡ ካብ’ዚ ፈቐዶኡ ኮለል ትብልዮ ዘለኺ ክተዕርፊ ሕክምና የድልየኪ
ኣሎ።
- በጃኻ ዘዋሪት እናበልካ ኩሉ ግዜ ኣይተዋርደኒ። እንታይ ዝገበርኩ ሰብ’የ? (? ? ?)
ኣቱም/ኣታ
- ባባ፡ ጉዳይ ይህሉዋ ይኸውን።
- ሓቅኺ ናድያ ጓለይ። ካብ ሰብ ተነጺልና ክንነብር’ውን ኣይንኽእልን ኢና። ኣብ
ሓጎስን ሓዘንን ክንበጽሕ ግቡእና ኢዩ።
- እዋእ! ኣይትኾርዪ! ንጸወታ እየ ዝዛረብ ነይረ። ሕጂ ከኣ ጻዕዳ ይጽናሕኪ! ናብ
ድላይኪ ኪዲ።
- ኣነ’ውን መደብ ቱቶርያል ኣሎኒ፣ ናብ በዓል ሳብሪን ክኸይድ’የ።
- እንታይ’ዩ ቶትራልከ?
- ሓጋዚ ትምህርቲ ጀሚረለን ኣለኹ ማለተይ’ዩ።
- ከም’ዚ ጌርኪ ካብ ዓቕምኺ ንላዕሊ እናሰራሕኪ ገዛና ግርማ ኣልቢስክያ።
- ዕድመን ጥዕናን ይሃባ! ጽቡቕ ሓዳር ድማ ይፍጠረላ ንናድያ ጓለይ!
- ኣሚን ማማ!
- በቃ፣ ትኸዲ እንተሊኺ ቁጽሪ 8 ጌርኪ ናብ ኣኽርያኺ!
- እንታይ ድኣ ቁጽሪ 8 ን ካልእን ትብሊ? እንኪ ታክሲ ጌርኪ ኪዲ።
- ዕድመን ጥዕናን ይሃብኪ! ጽቡቕ ሓዳር ድማ ይፍጠረልኪ’ዛ ጓለይ!
- ኣሚን ማማ!
- ናድያ ጓለይ፡ ኣቦኺኸ ታክሲ ኣይስቀልን ኢዩዶ ኢሎምኺ’ዮም ወስ ዘይትብልዮ።
ምሉእ ደሞዘይ ኣረኪበኩም እንድየ፣ ድላይኩም ግበሩ።
- ኣቦኺ ቀኒኡ’ዩ እዛ ጓለይ፣ ብቅንኢ ሞይቱ! ከይደ ድሓን ውዓሉ!
-
- Scene 213
- ሃየ ሳብሪን! ትምህርቲ ከመይ ኣሎ?
- ኣልሓምዱላ ጽቡቕ! (? ? ?)
- ዝሃብኩኺ ዕዮ ገዛኸ ሰሪሕክዮዶ?
- እወ።
- ብራቮ! ጽቡቕ ሰሪሕክዮ።
- ዝሕግዘኪ መጽሓፍቲ ኣሎ፣ ድሓር ክህበኪ’የ።
- የቐንየለይ። ርኢኺ ናድያ፡ ከማኺ ኮለጅ ወዲኤ ነዞም ስድራይ ክሕግዝ’ዩ ሕልመይ።
- እንታይ ‘መስለኪ ሳብሪን፡ ሰብ ራእይ እንተልዩዎ ኣብ ዕላምኡ ክበጽሕ ክጽዕር
ኣለዎ። ኣነ ብቐሊሉ ኣይኮንኩን ኣብ’ዚ ደረጃ’ዚ በጺሔ። ብዙሕ ዕንቅፋት የጋጥመኒ
ነይሩ’ዩ። ዝመጽኤ ይምጻእ ካብ ዕላማኺ ፈልከት ክትብሊ የብልክን። ድሓር
እንታይ ኣሎ ‘መስለኪ፡ ስድራይ ሕጸን መርዓን እናበሉ ሞዂ’ዮም ዘብሉኒ ነይሮም።
ኣብ መትከለይ ስለዝጸናዕኩ ግን እኒሄለኹ ሎሚ ትምህርተይ ወዲኤ፣ ስድራይ ድማ
ብኣይ ተሓቢኖም ኣለዉ።
- ሕጸን መርዓን ኣብ ሓንጎለይ የለን። ስድራይ ድማ ብዘይካ ተመሃሪ ካልእ ዝበሉኒ
የብሎምን።
- ንኣብነት ሕጂ ወለድኺ ሕጸን መርዓን እንተዝብሉኺ እንታይ ምገበርኪ?
- ብመሰረቱ ኣይሰምዖምን።
- በቃ፣ ኣብኣ ርገጺ! ድሓር እንታይ ‘መስለኪ፡ ስድራ መርዓ ጓሎም ንጽቡቕ ጥራይ
ስለዝሓስቡዎ ከገድዱኺ’ውን ይኽእሉ’ዮም። ስለ’ዚ ተጠንቀቒ ኢኺ።
- ናድያ፡ እዝ ዘረባኺ ገለ ዝሰማዕኪ ኢዩ ዘምስል። እንታይ ሰሚዕኪ ዲኺ? ንገርኒ።
- ዝሰማዕኩዎ የብለይን፣ ከይትግርሂ ኢለ’የ።
- Scene 93
- ጽቡቕ፡ ኣልሓምዱላህ! ጂሚ ደልየካ ነይረ፣ ግዜ ትረኽበለይ ዲኻ? (? ? ?)
- ንዓኺ ዘይከውን ግዜ የብለይን። ኣብ ዝደለኽዩ ግዜ ዋላ ኣብ ድኳን ምጽኢ።
- ኖእ! ድኳን ዝኾነ ሰብ ስለዝመጽኦ ንምኽርን ዕላልን ዝኸውን ቦታ ኣይኮነን።
- በቃ፣ ኣብ ዝደለኽዮ ቦታን ግዜን ሓብርኒ። ደበኽ ክብለኪ’የ።
- ኦከይ! ኣብ’ቲ ፍሉጥ መናፈሻናን ስዓትናን ንራኸብ።
- ኦከይ ሓቢብቲ!
- ሕራይ ሓቢቢ፡ ባይ!
- Scene
- Scene Jamal Tel Reaction 35//93
- Scene 61
- መርሓባ ነጁ!
- መርሓባ!
- እንታይ ድኣ? ጠሚኺ ዲኺ? እንታይ ድኣ ገጽኪ ጸምልዩ?
- እዚ ትምህርቲ ኣድኪሙዋ እዛ ጓለይ!
- እዋእ! ከምኡ ኣይትበልያ ማማ፥ ንሕና’ውን ብኸምዚ ኢና ሓሊፍና። ቀበጥበጥ
ኣይተብልያ በጃኺ።
- ሓቅኺ እዛ ጓለይ፣ ዝጽዓረ’ዩ ፍረ-ጻዕሩ ዝሓፍስ። ስለዝጽዓርኪ እንዲኺ ኣብ’ዚ
ደረጃ’ዚ በጺሕኪ።
- ማማ ደኺመ። እዚ ትምህርቲ ክገድፎ’የ።
- ኣብ መንገዲ ትጻወታ ኔርክን ኢሎምና። ትምህርትን ጸወታን ከመይ ገይሩ
ብሓንሳብ ይኸይድ?
- ማማ፡ መን ተጻዊተን ኢሉኪ? ኣይተጻወትናን።
- ኣይተሓስዊ! ኣይተሓስዊ! እዚ ሒዝኪዮ ዘለኺ ገመድ ኣቃሊዑኪ’ዩ።
- እዋይ! እቲ ሓጺር ሰብኣይ ድዩ ነጊሩልና? ሃዲዱና’ዩ’ኮ፣ ክጸፍዓና’ውን ደልዩ።
- ጽቡቕ ገበረክን፣ ስድታት!
- Scene (እምበል ዕልብ)
- ሃለው ጂሚ፡ ከመይ ውዒልካ? ጽቡቕ ኣለና። ስራሕከ ከመይ ኣሎ?
- ናዱ ጠምየ፣ እንታይ ክገብር?
- ኣቲ እንታይ ዝኾንኪ ቈልዓ ኢኺ?! ኪዲ ኣብ’ቲ ክሽነ ኣቲኺ ብልዒ።
- እሞ ጥሕንያ ክገብር ወይ ባዕልኺ እንቋቅሖ ትገብርለይ?
- ሃለው! እንታይ እንታይ?
- ናዱ!
- ጂሚ ሓንሳብ፣ ማዕሌሽ! ከመይ ስዲ ኢኺ ቴለፎን እናተዛረብኩ ትርብሽኒ! ኪዲ
እብለኪ ኣለኹ።
- ከመይ’ለ ክጸንሕ? ጠምየ’ንድየ ዝብለኺ ዘለኹ። ሓሳዊት! (? ? ?)
- ጂሚ ማዕሌሽ! ጽንሕ ኢለ ክድውለልካ’የ፣ ሕራይ? ቻው! ከመይ ርግምቲ ሰብ ኢኺ
ንስኺ? ኪዲ ነቲ ማዕጾ ክፈትዩ። ስዲ!
- ከመይ ውዒልኪ ናዱ ጓለይ?
- መርሓባ ማማ!
- እዛ ጓልኪ ትርእያ ኣለኺ ኣደ? ብጥሜት ወዲኣትኒ።
- ናድያ ጓለይ ስራሕ ሒዛ’ምበር ካብኣ ንላዕሊ ዝግደሰልኪ መንዶ ኣሎ ኢዩ?
- ማማ፡ እዚኣ ኣይትፈትወንን’ያ። ጠምየ እናበልኩዋ ምስ ካልእ ሰብ
ኣይምተዛረበትን።
- ኣቲ ጓል ንስኺ እዚ ሓሶት ካበይ ተምጽእዮ ኣለኺ?
- ኣይሓሰኹን። ጂሚ! ጂሚታይ! ክትብሊ ዘይሰማዕኩኺ መሲሉኪ?
- ግደፍያ!
- ከልቢ! (? ? ?)
- Scene 131
- ማማ፡ ክጻወት ክኸይድ’የ። ከይጻወት እዛ ናድያ ጓልኪ ከልኪላትኒ ኢያ ውዒላ።
- ኣቲ ጓል ኣይትሓስዊ! ሕጂ ሕጂ እንታይ ትብሊ ኔርኪ? ጠምየ ኢላ ምስራሕ’ያ
ከሊኣትኒ።
- እንታይ ድኣ ዘይቀረብክላ ናዱ ጓለይ፣ ንእሽቶ እንድያ።
- ድሓን ማማየ፣ ንስኺ ምስ መጻእኪ ጸጊበ እየ።
- ኣቲ ነጃት፡ እዛ ሓሶት ኣመል ትኾነኪ ኣላ። ኣይትሓስዊ።
- ድሓር ከይዳ ኣብ’ዚ ደገ ክትጻወት እንድያ። ካልእ ስራሕ እንታይ ከይህልዋ።
- ሕራይ፣ ከየርሓቕኪ። ቀልጢፍኪ ተመለሲ።
- እዛ ጓልኪ ስዲ ኢያ። ኣብ ደገ ከይዳ ተባኢሳ ትመጽእ ኣላ። ኩሉ ሰብ ብኣኣ ይጠርዕ
ኣሎ።
- ኖኖእ! ነጃት ምስ ሰብ ኣይተባእስና። ተጻዊትኪ ቀልጢፍኪ ብሰላም ናብ’ዛ ገዛኺ
ተመለሲ።
- ማማ እዛ ጓልኪ ሓሳዊት’ያ። ትኣምንያ ኣለኺ? ምስ መን ተባኢሰ? ዘረባ ምብጽጻሕ
ጸሊኤ’ምበር ንስኺ እትገብርዮ’ውን ኣሎ።
- ስቕ በሊ! ስዲ! ኩሉ ሰብኣኺ ይዛረብ ኣሎ። እተን ከምኡ ዝብላ ድማ ፈሊጠየን
ኣለኹ። በዓል ሳምያ ጓል ኣቦይ ኣዳላ’የን። (? ? ?) ዝሓምያ
- ድሓን! ከይደ ኣለኹ።
- እንታይ ዓይነት ቈልዓ ኢያ? ሲኦል!?
- ነግራም ኮይና፣ እንታይ’ሞ ክንገብራ?

- Scene 202
- ሎሚ ደሞዝና ሂቦምና።
- ማሸኣላ እንቋዕ ‘ሓጎሰኪ! ዘይምእንቲ ገንዘብ ኢኺ ትሞቲ ዘለኺ!
- ማማ፡ ደሞዝኪ ክንደይ ይኾና?
- 553 ናቕፋ ኢየን’ዛ ጓለይ።
- እዘን ዝበልክየን ባዕለይ ክህበኪ’የ። ስራሕ ግደፍዮ በጃኺ።
- ናድያ ጓለይ ሓቃ’ያ። እዘን ዝበልክየን ደሞዝ ኣነን ናድያን ንኸፍለኪ።
- ድሓን፣ ድሓን ይኣኽላኒ ኢየን። ነጃት ድኣ እንታይ ኢኺ ስቕ ኢልኪ?
- ዕላል’ውን ምስ ቡን’ዩ ምቁር፣ ቡን ግበራልና።
- ሕራይ፣ ባዕለይ ክገብራ’የ። ንዒ ነጁ ሓፍተይ፣ ፎርኔሎ ቀርብለይ።
- ኖኖእ! ሎሚ ቡን ኣዴኽን ትግበራ። ቡን ኣዴኽን ናፊቐያ ኣለኹ።
- ኣነ ሎሚ ደኺመ ኣለኹ። ባዕለን ይግበራኣ።
- ሓቅኺ፣ ደኺምኪ። ድኻምኪ ብዙሕ ደሞዝኪ ድማ ቁንጣሮ!
- ድሓን፣ ድሓን ኣይትሰከፉ። ንሃገረይ ብዙሕ አበርክት ከምዘለኹ እየ ዝፈልጥ። እዘን
ውሑዳት ትብሉወን ዘለኹም ደሞዘይ ክንዲ ብዙሕ’የን።
- ናጽነት ኣምጽእክሎም ሙሽ? ካብ’ዚ ንላዕሊ እንታይ ደልዮም?
- Scene 204
- ኣነ ዝገርመኒ፡ እዘን 500 ደሞዝኪ ተጠቒምናነለን ኣይንፈልጥን። ዘይኣብ ምብጻሕን
ዕቁብን’የን ዝውዕላ።
- ኣይፈለጥኩምን። እዚ ኣብ ዕቁብን ምብጻሕን ዝኽፈል ዘሎ ገንዘብ ኣብ ባንክ
ይቕመጥ ከም ዘሎ ሃብቲ ቁጸሩዎ።
- ማማ፡ እዚ ትብልዮ ዘለኺ ባንክኺ መዓስ ክወልድ’ዩ?
- ኣብ ዕለተ-መርዓኺ መዓረይ! ከም’ዚ ሎሚ ነገልግሎም ዘለና ኣብ ዕለተ-መርዓኺ
ንሳቶም’ውን ፍረ ጻማና ክፈድዩና ምዃኖም ኣይትረስዒ። ኣብታ መዓልቲ’ቲኣ ኢዩ
ዝወልድ።
- ንመዓልቲ መርዓይ ትዘርእዮ እንተሊኺ ገንዘብኪ ኣይትኽሰሪ እብለኪ።
- እንታይ ትብሊ ናድያ ጓለይ?! ኩሉ ግዜ ከም’ዚ ኢልኪ ክትነብሪ ኢኺ?
- መርዓ መዓልቱ ምስ ኣኸለ ክመጽእ’ዩ። ላኪን…
- ማሸኣላ ኣብታ ዕለተ-መርዓኺ እንጀራ ዝስንክታ፡ ጸብሒ ዝሰርሓ፡ ኣባኦከ ዝገብራ፡
ኣቚሑ ዝሓጽባ፡ ምስአን ድማ ኣቚሑ ዘምጽኣ፡ (? ? ?) ህያብ
- ኣየ’ወ! ዝሓርዱ፡ ዝመትሩ፡ ዳስ ዝተኽሉ፡ ጋሻ ዝቕበሉ፡ ማይን ዓሲርን ዘቀባብሉ!
ኩሉ ይርኣየኒ ኣሎ።
- ንዓይ’ውን ቬሎ ዝሕዛለይ መሓዙተይ፡ (? ? ?) ይርኣያኒ ኣለዋ?
- ካብ’ዚ ኩሉ ክትብሉዎ ዝጸናሕኩም እቲ ነጁ ሓፍተይ ዝበለቶ ይኣኽለኒ። ካብ’ዚ
ንላዕሊ መርዓ ንርኣዩለይ ስምዑለይ ጥራይ ኢዩ። ኣየድልን ድማ’ዩ።
- የድሊ’ምበር! መርዓ ሓጎስን ደስታን’ዩ። ደስታ ንኽህሉ ድማ እዚ ኩሉ ንብሎ
ዝነበርና ነገራት የድሊ።
- እወ ሓቅኹም፣ ሓጎስ’ዩ። ግን ኣብ ሆቴል ክገብሮ ስለዝኾንኩ እዚ ኩሉ ትብሉዎ
ዝነበርኩም ኣየድልየንን ኢዩ።
- ኣይከውንን’ዩ። እዘን ኩለን መሓዙተይን መሳርሕተይንከ እንታይ ክብላኒ? ኣብ
ሆቴል ብመሰረቱ ኣይከውንን’ዩ። ኣብ’ታ መዓልቲ’ቲኣ ናድያ ጓለይ፡ 60 ማይ-ቤት
ዳስ ኣብ’ዚ ጎደና ገቲርና ዘይተራእየን ዘይተሰምዐን መርዓ ክንገብር ኢና።
- ኣነስ መርዓ ኣብ ሆቴል ኣይፈቱን’የ።
- ሆቴል እንታይ ኮይኑ ነጁ ሓፍተይ?
- ቈልዑ ኣብ ሆቴል ስለዘይኣትዉ።
- ንስኺ እንታይ ኣፍሊጡኪ? ስቕ በሊ እስኪ።
- ካርዲ ዕድመ እንዳ ኣቦይ ሰመረ ርኢናዮ እንዲና። ቈልዑ ምምላእ ኣይፍቀድን’ዩ
ኢሎም ጽሒፎምሉ ነይሮም።
- ዘገርም’ዩ! ንስኽን ኣዋልድክን ከም’ቲ ሰብኣይን ሰበይትን ጤል ከይገዝኡ ‘ኣብ’ዚ
እግሪ ዓራት ክኣስራ እየ፣ ኣይትኣስራን ኢኻ እናተበሃሃሉ ዝተባእሱ እምበር
ኰንክን። መርዓ ምስ መጽኤ ነርክበሉ። ቡንና ጥራይ ኣስትያና። (? ? ?)
መሓዙትክን
- እወ ሓቅኹም፣ ቡንና ንስተ።
-
- Scene 217
- ናድያ ጓለይ፡ ቴለቪዥን ኣጥፊእኪ ናባና ምጽኢ።
- እንታይ’ዩ፣ ካብ ቴለቪዥን ዝሕባእ ምኽሪ ኣለኩም ድዩ?
- እወ፣ ቁሩብ ናጻ ኰንና ክንላዘብ ኢልና ኢና።
- ከም’ቲ ኣቦኺ ዝበሎ’ዩ፡ ንፍዕቲ ጓለይ። ልዝብ ወለድን ውሉድን፡ ቴሌቪዥን’ውን
ይኹን ሳልሳይ ኣካል ኣይኣትዎን’ዩ።
- ስምዕኒ ንፍዕቲ ጓለይ፡ ብኣኺ ንኾርዕ ኢና። ብወገንና ብርሃንክን ደቅኽን ክንርኢ
ስለዝደለና ኢና ንህወኽ ዘለና።
- እወ፣ ከምኡ’ዩ እዛ ጓለይ።
- እንታይ’ዩ? ስራሕ ዲኹም ረኺብኩምለይ ወይስ ስኮላርሺፕ?
- ስራሕ፡ ስራሕ ኣይትበሊ እስኪ! መርዓ ረኺብናልኪ ኣለና፣ መርዓ!
- እወ እዛ ጓለይ ንፍዕቲ፡ ጓል-ኣንስተይቲ ገዝኣ’ዩ ዝሰትራ። ዘረባና ስምዕና፣
ንዝባረኽናልኪ መርዓ ድማ ብፍሕሽው ገጽ ተቐበልዮ ንብለኪ ኣለና።
- ንሳ ጥራይ’ያ ድልየትና። ኣቦኺ ኢብራሂም ንወዱ ዶክተር ኣክረም ንመርዓ ይደልየኪ
ኣሎ። ምናልባሽ ሎሚ ብነፋሪት ይኣቱ ይኸውን። ደረጅኡ ደረጃኪ’ዩ። ንሱ’ውን
ምህርቲ ድለዩለይ ኢዩ ኢሉ። ካብ ኤውሮጳ ይመጽእ ስለዘሎ ከኣ ክንላለ ክብል
ኢዩ። ንስኺ ድማ ብፍሕሹው ገጽ ተቐበልዮ።
- ናዱ ጓለይ፡ ፍቕሪ’ውን ምስ ተላለኻ’ዩ ዝመጽእ። ሽሕ’ኳ እንተዘይተመሃርና
ከምዘይንፈልጥ ኣይትሕሰቡና። ኣነን ኣቦኽን’ውን ብፍቕሪ ኢና ተመርዒና።
- ሕማቕ ገጽ ኣየርእዮን’የ። ወዲ ኣቦይ ኢብራሂም ሓወይን ወዲ ዓደይን’ዩ። ንመርዓ
ብዝምልከት ግን ኣነ ከምኡታት መደብ የብለይን። ስለ’ዚ እንተዘይደኸሙ
ይሕሾም።
- ዶ?… ትሩፍ ድሕሪ ደጊም!
- Scene 109
- እዞም ዝረኣኽዮም ጀማልን ዓብደልዓዚዝን ትኽ-ትንፋስ ኣዕሩኽ’ዮም።
- ከም’ዚ ከማይን ከማኽን ማለትኪ ድዩ?
- እወ፣ ከማና’ዮም። ምሕዝነትን ዕርክነትን ከም’ዚ ክኸውን ኣለዎ።
- ጂሚ እንታይ’ዩ ዝብል ነይሩ?
- ወላሂ እቲ ጉዳይ ከም’ቲ ዝሰማዕክዮ’ዩ። ስድርኡ ንመርዓ ይግድድዎ ኣለዉ።
- ንሱ’ውን ድልየት ኣለዎ ሰሚዐዔ። ዘረባ ሰብ ብዙሕ ስለዝኾነ ግን እቲ ሓቂ ካባኺ
ክረኽቦ ደልየ።
- ሓቕኪ ኢኺ፣ ዘረባ ሰብ ብዙሕ’ዩ። ንሱ ድልየት የብሉን።
- ምስኪናይ ጂሚ! ሕጂ እንታይ ክገብር’ዩ? በዚ ኣቦኡ ከይተወከሶ ንጓል ሓወ’ቦኡ ኣዳላ
የሕጽዮ ኣሎ። በዚ ድማ ኣፍቃሪኺ’ዩ።
- ቅድም-ቀዳድም ተሓጽዩ ኣይትበሊ። ተወሃሂቦም ጥራይ ኢዮም። ምውህሃብ ድማ
ምሕጻይ ኣይኮነን።
- እንተተወሃሂቦም ጽባሕ ይሕጸዩ፣ ድሕሪ ጽባሕ ድማ ይምርዓዉ።
- ነዚታት ሕጂ ንጎድኒ ግደፍዮ። ነዞም እንዳ ኣቦይ ኣዳላ ሙሽ ትፈልጥዮም ኢኺ?
- እወ እፈልጦም። ሳብሪን ምስ ሓፍተይ’ያ ትምሃር። ኣደ ሳብሪን ድማ መሓዛይ’ያ።
- ባቃ! ሕጂ እንታይ ደልየ ‘መስለኪ፡ ሳብሪንን ኣዲኣን ኣብ’ዚ መደብ እዚ
ከምዘይሰማምዓ እንተጌርክየን ብሓቂ መሓዛይ ኢኺ።
- እዚ ናባይ ግደፍዮ። ነዚ ተሓሲቡ ዘሎ መደብ ኣፍሺለ ንስኺ ምስ ኣፍቃሪኺ
ከምትዕወቲ ክገብር’የ።
- እንቋዕ ኣሰይ፡ እንቋዕ ኣሰይ፡ (? ? ?) ኣሰይ! ኣሰይ!
- Scene 190
- ናድያ፡ እዚኣ እንታይ ትብል ኣላ?
- እዚኣ እንታይ ትብለኪ ኣላ ‘መስለኪ፡- ምሉእ ሓስብ ብፓስት ቴንስ ስርሒ ትብለኪ
ኣላ።
- ከም’ዚኣ እንድያ “I will drink water yesterday” ኢለያ ኣለኹ።
- ኣስተውዕሊ፡ Will እንታይ ማለት ድዩ? ዊል ፊቸር ወይ መጻኢ ማለት’ዩ። ንሳ ግን
ብፓስት ቴንስ ስርሕዮ ትብለኪ ኣላ።
- እሞ ሕጂ እንታይ ክገብራ?
- እንታይ ከምትገርብያ ክነግረኪ፡- እዚኣ ዊል ናይ ፊቸር ስለዝኾነት ኣይተድልየክን’ያ።
drink ናብ ፓስት ቴንስ ምስ እትቅየር እንታይ ትኸውን?
- Drank
- እወ! “I drank water yesterday” ድማ ትኸውን።
- ኣሃ! ሕጂ ተረዲኣትኒ። ተሓዋዊሱኒ ነይሩ።
- ሓቁ’ዩ ክተሓዋወሰኪ። ጸወታ ተብዝሒ ኣለኺ።
- ኣይተጻወትኩን’ኮ። መጀመርታ ዕዮ-ገዛይ እሰርሕ፣ ድሓር ድማ እጻወት።
- ኣይትካትዒ! ንሳምያ ጓል ኣቦይ ኣዳላ’ውን ሓሳዊት ኢልክያ ሰሚዔ።
- ስለዝሓሰወት ሓሲኺ ኢለያ። ድሓር ከኣ ይቕሬታ ሓቲተያ። ንሳ ግን ኣብያ።
- ሕጂ ዘረባ ገዲፍኪ መርመራ ይመጽኣኪ ኣሎ ኣጽንዒ።
- ሕራይ ናዱ ሓፍተይ፣ ኣይትሕረቒ። ከጽንዕ እየ።
- ኣጽንዒ! ኣንጽንዒ! ብዓሰርተ ዕጽፊ መርዋ ሓፍተይ ትሓይሽ ካባኺ። ምሩ፡ ድሙ
ብእንግሊሽ እንታይ ትበሃል?
- ካት!
- ካት! ብራቮ! እቶም ኣርባዕተ ሕብርታት ባንዴራናኸ?
- ሬድ፡ ብሉ፡ ግሪን፡ የለው!
- ብራቮ! ትርእይያ ኣለኺ ከመይ ትምልስ ኣላ? ንሳ ትነፍዕ ካባኺ።
- ወላሂ እዛ ጓል ኣሞይ ሰይጣን’ያ። ዋላ ንቃላት ዓረብ’ያ ካብ ቴለቪዥን
ትምንጥሎም።
- ጸላኢኣ ሰይጣን ይኹን! ንፍዕቲ ኢዩ ዝብሃል። ሰይጣን ኣይብሃልን’ዩ። ያላ ሕጂ
ኣጽንዒ!
- Scene 200
- ንስኺ ነዛ መርዋ ጓል ኣሞይ ጥራይ ዲኺ ተረድኢ? ንዓይከ?
- ንስኺ ሻምናይ ክፍሊ በጺሕኪ ኢኺ። ኣንቢብኪ ባዕልኺ ተረድኢ።
- እሞ ሎሚ ብዙሕ ዕዮ-ገዛ ኣለና።
- እንታይን እንታይን’ዩ? ድሓር እዚ ዕዮ ገዛኺ ተገዲስኪ ዕየይዮ።
- ማትስን እንግሊሽን ኣለና። እቲ እንግሊሽ ግን ቁሩብ በርቲዑኒ፡
- ድሓን፣ እቲ እንግሊሽ ድሓር ቀስ ኢለ ከረድኣኪ’የ። ነቲ ቀሊል እትብልዮ ኣጽንዒ፣
ፎር ምእንቲ ክተምጽኢ።
- ናድያ ሓፍተይ፡ መርዋ ከይትሰምዓኪ ስቕ በሊ። ፎር ንነብሳ ጥራይ’ያ ትፈልጣ።
- መርዋ፡ ሳዋ ምስ ከድኪ ክንደይ ክተምጽኢ ኢኺ?
- ፎር!
- እስኪ ኣርእይኒ? ብኣጻብዕትኺ ኣርእይኒ።
- ፎር! ብራቮ! ስርሒ፣ እንታይ’ዩ እዚ?
- Scene 136
- ሄለው ጂሚ! እወ፣ ድሓን፡ ምስ ተዳለኹ ባዕለይ ሚስ-ኮል ክገብረልካ’የ። ኮይስ፣
ቻው!

Scene 90

- ስምዕኒ ምሕረት…
ኣሃ?
- እዚ ወዲ ኖራይ ነዛ ጓል ኣዳላ ተሓጽዩዋ ይብሃል ኣሎ፣ ሓቂ ድዩ?

- ኣይመስለንን ስተል ሓፍተይ፣ ክሳብ ሕጂ ኖራይን ኣዳላን’ዮም ሰብ ከየፍለጡ


ተወሃሂቦም ዘለዉ።
- ንሱስ ሓቅኺ። መጀመርታ ነታ ጓል ኢኻ ትሓትት። ከምኡ’ውን ምስ ኣዲኣን
ኣሕዋታን ትላዘብ። እምበር መዓስ ኣቕሓ መሸጣ ኮይና ስቕ ኢልካ ትህባን
ትወስዳን።
- ስተል ሓፍተይ፡ ኖራይ ነቲ ካልእ ስብእነቱ ገዲፍኪ፡ መላኺ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ።

- እወ፣ መላኺ’ዩ። ኣነ ዝበልኩዋ ትኹን ጥራይ’ዩ ዝብል። ዝኾነ ነገር በቲ ንሱ ዝደልዮ


ኣገባብ’ዩ ዝገብሮን ዘተግብሮን ኢሎሞ።
- እታ ጓሉኸ ገለ ኣይተሓጽየትን? ሕጂሲ ዕድመ እናበልዐት ትኸይድ ኣላ።

- ጓሉ ሰብ እናነዓቐት ከመይ ኢላ ክትሕጸ? ትዕቢተኛን ምክሕትን እንድያ።

- ከምኡ ኢያ ኢሎማ። ኣብቲ ድኳን እንተመጻእካያ’ውን ኣፋ እናጎማጸጸት’ያ


ትውዕል። ሰብ ሰብ ኮይኑ ኣይስምዓን’ዩ ኢሎሞ። (? ? ?) ትቕበለካ
- ብሩኽ እቲ ንእሽቶ ወዶም’ዩ ኢሎሞ።

- እቲ ኣብ’ቲ ድኳን ዝሰርሕ?

- ጀማል ወደይ ክፍተወካ መዓት’ዩ ። ጥዑይ ቈልዓ፡ ለባም፡ ለጋስ፡ ትሑት’ዩ። ናድያ
ጓልና’ውን ካብ ኣፋ ኣይተውጽኦን’ያ። ምሉእ መዓልቲ ጀማል ጅሙል ክትብል
ክትውዕል ንሰምዓ ኣለና።
- ስተል ሓፍተይ፡ ጀማልን ጅሙልን ክትብሎ እንተሰሚዕኪ ተፋቒሮም ኣለዉ
ማለት’ዩ።
- እንተተፋቐሩ’ሞ ኣቦኡ ናብ ጓል ኣዳላ እንድዩ ወፊሩ ዘሎ።

- ስለዝተገሰሉ ኣይኮነን። ረቢ ዝበሎ’ዩ ዝኸውን። ንስኺ ጥራይ ኣይትሻቐሊ። (? ? ?)

- ሓቅኺ ኢኺ።
- Scene 111
- ሰብ ገዛ?

- መርሓባ ምሕረት ሓፍተይ! ከመይ ኣለኹም?

- ኣርሕቢ! ንቐደም በሊ።

- ከመይ ኣለኹም? ዓሲር ከምጽኣልኪ፡ ድራረይ።

- ዓሲር ጋስትራይት ኢዩ ዝገብረለይ፣ ግደፍዮ።

- እቕጥን ኣቢለ ክገብረልኪ።

- ኖኖእ! ንዒ ጥራይ ኮፍ በሊ።

- ከመይ ኣለኹምከ?

- ጽቡቕ ኣለና። ከይርኣኩኹም ብዙሕ ገይረ። ድሃይኩም ክገብር’የ መጺኤ።

- ጽቡቕ ድራረይ!

- ናድያ ጓለይ ድኣ የለን ድያ?

- ናድያ ንትምህርቲ ከይዳ። ካብ ተማሃሪት ናብ መምህር እንድያ ሰጊራ።

- እዋይ’ወ ሓቅኺ! መምህር ኮይና!

- ሕጂ ኣብ ልዕሊ ገለ ዘይንዕልል? (? ? ?)
- ሸገርገር ኣይትበሊ። በሊዔን ሰትየን’የ መጺኤ።

- ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳ ዓንዶም ክበጽሕ እናበልኩ ቀዲምክኒ።

- ስምዕኒ ስተል፡ እዞም እንዳ ኣዳላ ሕጸ ገይሮም ይብሃል፣ ሓቂ ድዩ?

- ሕጸስ ኣይመስለንን። ግና ተወሃሂቦም ኢሎሞም።

- ርኢኺ፡ ኣዳላ ሕማቕ ጌይሩ። ንፍዕቲ ጓል ካብ ትምህርቲ ኣውጺኡ ንመርዓ ክግድዳ


ጽቡቕ ኣይኮነን። ድሓር ንእሽቶ እንዲያ፣ ሕማቕ ገይሩ።
- እወ፣ ሕማቕ ገይሩ።

- እዚኣቶም ኣይርድኡኽን’ዮም። መርዓ ብግዲ! ልዕሊ ኩሉ ድማ ንመርዓ ኣዝማድ


ዝያዳ ይጸቕጡሉ።
- ሕማቕ ገይሮም። ከም’ዚ ጽቡቕ ኣይኮነን። ምስ ሰብ ከይተላዘብካ እትገብሮ ጉዳይከ
ቀጻልነት ይህልዎዶ ትብልዮ ኢኺ ስተል ሓፍተይ!?
- እወ፣ ሳብሪን ገና ነዚ ጉዳይ ኣይፈለጠቶን’ምበር ብመሰረቱ ኣይምተቐበለቶን።

- ራየት ድልየት ትምህርቲ ስለዘለዋ ንጓላ ሃበቶም ማለት ዘበት!

- ኣይትህቦምን’ያ።

- ስተል፡ ኣነ ቡን ኣይሰትን’የ። ኮፍ በሊ ጥራይ፣ ነዕልል።

- ዕላል ምስ ቡን’ዩ ምቁር፡ ምሕረተይ።

- ኖኖእ! ኣምብርዮ ስተል።

- እሞ እንታይ ድኣ ክንገብር?
- Scene 115
- ንሕና ኣብ ቤተሰብና ከም’ዞም እንዳ ኖራይ ኣይኮንናን። መርዓ ብዕድልን ድልየትን’ዩ
ዝፍጸም ኢና ንብል። ከም እትፈልጥኒ ኣነ ካብ ባርካ’የ። በዓል ቤተይ ድማ ካብ
ባጽዕ’ዩ ድራረይ።
- ስተል ሓፍተይ፡ እዚ ናትኩም ጽቡቕ’ዩ። ክንዲ ትውልድኻ ተጽብብ ትውልድኻ
ክተስፍሕ ይሓይሽ።
- እወ! ኖራይ ቀደም ነታ ዘኽታም ጓሎም ባዕሉ ብኢደ ዋኒኑ መንጢሉ ነቲ ዓቢ ወዱ
ኣመርዕይዋ። ሕጂ’ውን ንጀማል ሳብሪን ሃቡኒ ይብል ኣሎ ኢሎሞ። ነቲኣ’ውን ካብ
ትምህርቲ ኣውጺኡዋ፡ ምስኪነይቲ! (? ? ?)
- ንሳ’ውን ጽቡቕ ኣላ ዝብል ኣይሰምዓኩን። እቲ ሰብኣያ ብመሰረቱ ኣይግደሰላን ኢዩ
ኢሎሞ።
- ካብ ኩሉ ዝገደደ ድማ እታ ንዕልታ ከፊኣታ ኣላ ኢሎማ። ገጻ ትርሓቕ!

- ንሱ ስለምንታይ ጓሉ ዘይእድብ? ከመይ ገይራ ንዘኽታም ቈልዓ ተዋርዳ?

- ነታ ርግምቲ ጓሎምስ የቀባጥሩላ ኢዮም ሰሚዔ። ሓንቲ ስድን በዓለገን’ያ ኢሎማ


ግና።
- Scene 243
- ብዘይካ’ቲ መማህራን ዝህቡኺ ባዕልኺ መጽሓፍቲ ተንብቢዶ?

- እወ፣ ትማሊ’ኳ ናብ ላይብረሪ ከይደ ነይረ።

- ጽቡቕ፣ ጽቡቕ። ናብ ላይብረሪ ምኻድ ኣገዳሲ’ዩ። ብዙሕ መጻሕፍቲ ክትረኽብሉ


ትኽእሊ ኢኺ። ብፍላይ ድማ ናይ ፊዚክስን ማትስን።
- እዉይ ኣነ! እዚ ማትስ ዝብሃል ሳብጀክት ጸሊኤዮ።

- ብምንታይ ድኣ ጸሊእኪዮ?

- እንድዒ!

- ካብ’ቶም መማህራን እትጸልእዮ መምህር ኣሎ ድዩ?

- እወ፣ ናይ ማትስና።

- እወ፡ ከምኡ’ዩ። ንሓደ መምህር እንተጸሊእኪዮ ግድነት’ዩ ነታ ሳብጀክቱ’ውን


ክትጸልእያ።
- እንድዒ፣ ከምኡ ግዲ ኮይኑ።

- ሕጂ ድሓን ነዛ ፎርሙላ ኣጽንዕያ። እቲ ዝተረፈ ብምሉኡ እናተረድኣኪ ክኸይድ’ዩ።

- ሕራይ።

- ኣቦኺ ኖራይ ድማ ሓውዩ ኢሎሞ ማሸኣላ!

- እወ፡ ኣሻቒሉና ነይሩ። ኣልሓምድላ ሕጂ ግን ተመሓይሹ። (? ? ?)


- ጀማልከ ነቲ ድኳኑ ከፊቱዎዶ? ዕጹው ኣሎ ይብሉ ነይሮም።

- እወ፣ ትማሊ ከፊቱዎ። ሕጸ እናበሉ ኣሻቒሎሞ ኣለዉ።

- ንጓል መን ከኽጽዩዎ ይደልዩ ኣለዉ?

- እንድዒ፣ ኣዋልድ ሓትነታቱን ካልኦትን ይህልዋ ይኾና። ደቂ ዓድና ከኣ መዓስ


ውሑዳት ኮይነን።
- ኣቦኺ ጃብር ኣዋልድ ኣለዋኦ ሙሽ?

- ኣቦይ ጃብር ኣዋልዱ ሕሙማት’የን።

- መሳኪን! ጥዕና ይፍጠረለን! በቃ ‘ሕጸ ሕጸ’ ይብሉዎ ኣለዉ በልኒ?

- መርዓ ኣብ ስድራና ቀሊል’ዩ። ንኖሪት ሓፍተይ ዘይትርእዪ። ሕጸኣን መርዓኣን


ዘይብሓንሰብ ኢዮም ገይሮሞ።
- እሞ ንሱ ይሰማማዕ ይመስለኪ?

- ንሱስ ይኣብዮም’ዩ ነይሩ። ኣቦይ ኖራይ እንተንቂዱ ግን ኣይምለስን’ዩ።

- እሞ ሕጂ ንሳብሪን ጓል ኣዳላ ደሊናያ ኣሎና እንተዝብሉ እንታይ ምበልኪ?

- እዉይ! ትምህርተይ ከይወዳእኩ!? ሞት ትሕሸኒ!

- ንምንታይ? ዶስ ንጂሚ ጸሊእኪ ኢኺ?

- ትምህርተይ ከይወዳእኩን ስራሕ ከይሓዝኩን ብፍጹም ኣይምርዖን’የ።

- ኣቦታትኪ ኣይእመኑን’ዮም። ንስኺ’ውን ከይፈለጥኪ ሕጸኽን መርዓኽን ብሓንሰብ


ክገብሩዎ ስለዝኽእሉ ኣይትዘንግዒ። ድሓር ንስኺ ትሕቲ ዕድመ ስለዝኾንኪ
እንተኣበኺ ሕጊ’ውን ክሕግዘኪ ይኽእል’ዩ።
- የቐንየለይ ናድያ ሓፍተይ! ከም’ዚ ከማኺ ዝምዕዳን ዝመኽፍራን ኣሓት ከለዋኒ
ሓንቲ ኣይከውንን’የ። መሳኪን በዓል ኖሪት ሓፍተይ በሊ’ምበር።
- እንታይ ድኣ ሎሚ? ድሓን ኣለኺ? እንታይ ድኣ?...

- ኖኖእ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይኮንኩን። ነዚአን ኣንቢበ መጽሓፍ ከምጽኣልኪ’የ።


- Scene 289
- እስከ ጥራውዝትኺ ኣርእይኒ?
- እዚ ናይ ፊዚክስ’ዩ። እዚ ድማ ናይ ከሚስትሪ።

- ዋው! ጽቡቕ ትኸዲ ኣለኺ። ርኢኺ፡ መጻኢኺ ብትምህርቲ ክተረጋግጽዮ ኣለኪ።


ሰብ እንተዘይተማሂሩ ንድሕሪት’ዩ ዝምለስ ሎሚ።
- ሎም-ዘበን’ውን ናይ ዩኒት እወስዳ እኸውን።

- እንሻኣላ፣ ረቢ ይሓግዝኪ! ብዛዕባ መጻኢኺ ዘረባ ናይ ዝኾነ ክትሰምዒ የበልክን።


ኣነ’ውን ምስ ተማሃርኩ’የ ነዛ ገዛና ከም’ዚ ኣማዕቢለያ።
- ኣነ’ውን ከማኺ ትምህርተይ ወዲኤ ደሞዘይ ምስ ጀመርኩ ነዞም ድኻታት ስድራይ
ክሕግዝ’የ ዝደሊ።
- ጽቡቕ፣ ትምህርቲ ኣገዳሲ’ዩ። ድሓር ከኣ ከም’ዚ ከማኺ ናይ ዩኒት ዝወጽኣ
ተመሃሮ ንድሕሪት ክምለሳ የብለንን።
- እንሻኣላ!

- ኣቦኺ ኖራይከ ኣጸቢቑዶ ሓውዩ?

- ኣልሓምዱላህ ሕጂሲ ጽቡቕ ኣሎ። (? ? ?)

- ጀማልከ ይመጽኣኩምዶ? እንታይከ ይብለኪ?

- ከም’ዚ ናትኪ ‘ተማሃሪ፡ ኣጽንዒ’ ገለ ይብለኒ።

- እወ። ከምኡ’ዩ ዝብል። ሳብሪን ተማሂራ ጽቡቕ ስራሕ ሒዛ ኣላ። ስድረኣ ብኣኣ
ከሓልፈሎም’ዩ ዝብለኒ ነይሩ።
- ንሱ ከምኡ’ዩ ዝብል። ‘ተመሃሪ፡ ትምህርትኺ ከይተቋርጺ’ ኢዩ ዝብለኒ።

- እወ፣ ትምህርቲ ኩሉ’ዩ፣ ኣይትሕመቒ!

- ድሓን ውዓሊ!
- Scene 223
- ሳልም ሓወይ፡ በቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተበሃሃልናዮ፡ ምሳኻን ምስ ናፍዕ ሓውኻን’ውን
ኣልዒናዮ ዝነበርና ጉዳይ እመጽኣካ ኣለኹ። (? ? ?) መጺኤካ
- ወላሂ ንሕና ነቲ ዘረባ ክንሓስበሉ ኢና ጸኒሕና። እንተኾነ ግን ብዘይ ድልየት ኣዋልድ
ሎሚ ዝኸውን ነገር የለን። ከም’ቲ ናይ ቀደም ባዕልኻ እትህበንን እትኸልአንን
ኣይኮናንን።
- ሓቅኻ ኣለኻ። ሎሚ ዘበን ዘምጽኦ መርዓ ብፍቕሪ እንድዩ ኮይኑ! ግን ንሕና
ክንዋሰበኩምን ክንቀርበኩምን ደሊና ኣለና።
- ሕጂ ኢብራሂም ርኢኻ፡ እዚ ዶክቶር ኣክረም ምስ መጸ፡ ንሱን ናድያን እንተዝራኸቡ
ይሓይሽ እብል።
- ረሲዔልካ፡ ኣክረም ድኣ ትማሊ እንድዩ መጺኡ። ባዕለይ ዝያዳ ከረጋግጽ
ስለዝደለኹ’የ።
- ኣክረም መጺኡ!? ማሽኣላ ጽቡቕ! እንታይ ድኣ ዘይነገርኩምና። ከመይከ መጺኡ?

- ማሽአላ! ማሽኣላ ጽቡቕ ኣሎ! ተመርዕየ ክምለስ’የ ድማ ይብል ኣሎ። ንሱ


ዝፈትዋን እትፈዎን ጓል ይፍጠረሉ በል።
- በል ረቢ ይሓግዘና በል’ምበር በቲ ጉዳይ ምስ ጓልና ተዘራሪብና ኢና።

- ጽቡቕዶ ኢላ’ሞ?

- ኣዋልድ ትፈልጠን እንዲኻ፣ ቀልጢፈን መዓስ ሕራይ ይብላ ኮይነን። ‘መደብ ኣለኒ፣
ባዕለይ ክመርጽ እየ’ ትብለኒ ኣላ። ንሕና ግን ክሳብ ሕጂ ኣይገደፍናያን። ንዛረባ
ኣለና።
- ንሱ’ውን ናቱ መደብ ኣለዎ። “እታ ኣነ ዝመርጻ ጓል፡ መጀመርታ ምህርቲ ክትከውን
ኣለዋ፣ ድሓር ድማ ባዕለይ ክመርጻ ኣለኒ” ኢዩ ዝብል። ሕጂ ንሕና እቶም ወለዲ
እንተተሰማሚዕና ንሳቶም ድላዮም ይግበሩ።
- ጽቡቕ ኣለኻ። ብዘይካኹም’ውን ብዙሓት ሓቲቶምላ’ዮም። ንሳ ግን ‘ፕሮግራም
ኣለኒ፡ ተጸበዩኒ’ ስለዝበለትና ንጽበያ ኢና ዘለና። ሕጂ ግና ሕራይ ክትብለና ንትስፎ።
- እንሻኣላ ሕራይ ትብለኩም!

- ኣሚን! ኣሚን!
- Scene 245
- ኣነ ተልእኾይ ፈጺመ’የ። ንኣሞይ ራየት ጽቡቕ ገይረ መሊኤያ እየ። ጓላ ትህቦም
ኣይመስለንን።
- እኣምን፡ እኣምን ጀሚላ ሓፍተይ። ብሓቂ መሓዛ እትገብሮ ጌርኪ። ሕጂ ግን ንዓይን
ንዓኽን ዝጠቅም ብስራት ኣለኒ።
- እዋእ! ንስኽን ጀማልን ተልእኾኹም በዚሑ። ሕጂ ድማ ንዓይን ንዓኽን ዝጠቅም
ነገር ረኺብኪ? ንገርኒ እስኪ። ኣነ ኣብ ዝጠቕመኒ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ
ዘይጠቕመኒ’ውን እተሓጋገዝ’የ።
- “ሽሻይና ኣብ ገዛና ፈሲሱ” ይብል ነይሩ ኣቦይ ኖራይ። ኣነ’ውን ሽሻይና ኣብ ገዛና
ክፈስስ እደሊ ኣለኹ።
- ደንጒኽና በጃኺ! እንታይ ክትብሊ ስለዝደለኺ ኢኺ። ነዚ ፍልስፍናዊ ዘረባ ገዲፍኪ
ቀልጢፍኪ እቲ ሓቂ ንገርኒ።
- ሕራይ፣ ሓደ ንዓይ ዝደሊ ካብ ወጻኢ ዝመጽኤ ወዲ ኣሎ። ኣነ ግን ከም እትፈልጥዮ
ምስ ጀማል ኣብ ፍቕሪ ተጸሚደ ኣለኹ።
- እሞ ሕጂ እንታይ ንግበር? ስለምንታይ ኣይደልየካን ዘይትብልዮ? ብግዲ ዝኸውን
መዓስ ኣሎ።
- እቲ ጸገም እዚ ኣይኮነን። ስድራይ ፈትዮሞ ኣለዉ። ንዓይ ከመርዕውዎ ወሲኖም ከኣ
ኣለው። ኣነ ከኣ ምስ ስድራይ ከይተባኣስኩ ብሜላ ክገላገል ደልየ ኣለኹ።
- ብኸመይ?

- ብኸመይ ዝብል ለባም! እዚ ወዲ ምሳኺ ከፋልጦ’የ። ንስኺ ካባይ ትጽብቒ ኢኺ።


ጓል ሹቕ ስለዝኾንኪ ድማ ንኣካይዳ ፍቕሪ ካባይ ንላዕሊ ትፈልጥዮ። ንዓኺ ምስ
ርኣየ ናባይ ኣይጥምትን’ዩ። ብካልእ ሸነኽ ድማ ንስኺ ትእከቢ! ኣሃ! ሽሻይና ኣብ
ገዛናዶ ኣይፈሰሰን?
- ካብ ወጻኢ ዝመጽኤ ትምነይለይ ኣለኺ? በዓል ወጻኢ እንድዩ ዕድለይ ዝሰበረ።
ከም’ቲ ናይ ቀደም ሓደ ለዛዪ እንተኾነኸ?
- እዚስ ለዛዪ ኣይኮነን። ኣነ ንርእሰይ ብብ ፍቕሪ ጀማል እንተዘይኣቱ ዓይነይ ዓሚተ
ምኣተኹዎ።
- ስምዕኒ’ስከ፡ መን’ዩ ጀሚላ ኣየፍቀረትን ዝበለኪ?

- ኣሃ! እሞ ንስኺ’ውን ኣነ ከይፈለጥኩ ኣፍቂርኪ ኣለኺ።

- ግዜኡ ምስ ኣኸለ ክነግረኪ እየ ዝሓስብ ነይረ።

- ኣቲ ጀሚላ ስቕ ኢልኪ ኣብ ሃለውሳ ኣይትንበሪ። ነዚ ዝብለኪ ዘለኹ ወዲ ጥራይ


ኣይትግደፍዮ። ዶክተር’ዩ! ንሱ ይሕሸኪ።
- ዶክተር ዋላ ዳይረክተር ኣይትበልኒ ሕጂ። ነዚ ኣፍቂረዮ ዘለኹ ወዲ ጥራይ
ይባርኸለይ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ዘይዓይነይ እናጠመትኩ’የ ካባኺ ተሪፈ።
- እሞ ዶክተር ይኹን ዳይረክተር እንተተመርዓኽዮ እንታይ ትኾኒ?

- ናድያ ሓፍተይ፡ ንስኺ ኣይፈለጥክዮምን ዘለኺ። ምህርቲ ክትከውን ኣለዋ ክብሉ


ኢዮም።
- ንሱስ ሓቅኺ፣ ይብሉዎ’ዮም።
- Scene 270
- እዛ ሳንጣይ ክትጽብቕ! በዝን በዝን ብዙሕ ጁባታት ኣለዋ። ኣብ ውሽጣ’ውን
ከምኡ። ዝደለኹዎ ጥራይ ከንብረላ’የ።
- ንዓይ ክተቕንኢ ኢኺ ሙሽ?

- ወላሂ ኣይኮንኩን። ብዙሕ ጁባታት ከምዘለዋ ክሕብረኪ ስለዝደለኹ’የ።

- ድሓን፣ ንዓይ’ውን ኣቦይ ኖራይ ከምኣ ገዚኡለይ ኣሎ።

- ንዓኺ ኣቦኺ ኖራይ ጥራይ ድዩ ዝገዝኣልኪ? ኣቦኺኸ?

- ንዓኺ ኣቦኺ ድዩ ገዚኡልኪ?

- ስቕ በሊ ሕራይ፣ ሓሳዊት! ንዓይ ናድያ ሓፍተይ ገዚኣትለይ።

- ድሓን፣ ንዓይ’ውን ሳብሪን ሓፍተይ ትገዝኣለይ።

- እዋይ! ዘይከውን! ሓፍትኺ ትምህርቲ ወዲኣ ስራሕ ክሳብ ትጅምር ክትጽበዪ


ኢኺ?
- ድሓን’ዩ ሳብሪን ሓፍተይ፣ ትምህርታ ወዲኣ ስራሕ ምስ ጀመረት ትገዝኣለይ።
እስኪ ክርእያ?
- ኣልግሲ፣ ኣይትተንክፍለይ።
- Scene 312
- ኣዳላ ሕማቕ ገይሩ። እዚ ዝገበሮ ዕንወት’ዩ።

- እወ! ምስኪነይቲ ሳብሪን ‘ክምሃር፡ ስድራይ ክሕግዝ’ እናበለት ኣብ ሓሳባ ዘይነበረ


መርዓ!
- እንዳ ኣዳላ ኣብ ጸገም ኣትዮም። እቲ ናብኣቶም ዝጓርቶ ዝነበረ እስቤዛ ተሪፉዎም
ነይሩ እንተዝኸውን ምሓሾም።
- ብኡኡ እንድዩ ሓኒቑዎም! ይህቦም ስለዝነበረ ከይፈተዉ ኣትዮሞ።

- ሓገዝሲ ይሕግዞም ነይሩ’ዩ። ዳሕራዩ የጸብቆ ጥራይ በሊ።

- ምስኪነይቲ ሳብሪን! ካብ’ታ ወረ መርዓ ዝሰምዓትላ ዕለት ብዘይካ ብኽያትን


ምስቁርቋርን ምብላዕን መስታይን ኣብያ።
- ኖራይ! ኖራይ ተካል ሰብኣይ’ዩ፣ ኣዕኒዩዎም! እቲ ግርጭት ግን ኣቲዎም ኣሎ።
(? ? ?)
- እታ ንእሽቶ ጓሎም’ውን ነዚ ወረ መርዓ ምስ ሰምዐት ዓቕላ ጸቢቡዋ። ሓንሰብ
ናብ’ዚ ትመጽእ፡ ሓንሰብ ድማ ኣብ ጎደናታት ኮለል ትብል ኣላ።
- ሓቃ’ያ! ግርጭትን ባእስን ዘለዎ ገዛ ከመይ ገይራ ክትምለሳ?

- ራየት’ውን ነዚ መርዓ’ዚ ዝተቓወመቶ ትመስል። ቁሩብ ዒብ ገይራ’ምበር ምስ


ጓላ’ያ ዘላ።
- ኣዳላኸ! ንሓዉ ፈሪሑ’ምበር መዓስ ተቐቢሉዎ። ኣብ መዋጥር’ዩ ኣትዩ።

- ምስኪነይቲ ሳብሪን ዓሚጾማ። ድሕሪ ደጊም ሰብ ኣይትኸውንን’ያ።

- ዓሚጾማ! ዓሚጾማ! እቲ ሕጹያ ዝብሃል ዘሎ ጀማል ወዲ ኖራይ’ውን ዕጉብ


ኣይኮነን ኢሎሞ።
- ምስኪናይ ጀማልስ መዓስ ብድልየቱ ኮይኑ። ብግዲ ዝፍጸም መርዓ ግን ፍሹል’ዩ።

- ብግዲ ጽፍጸም መርዓ ከምኡ ስለዝኾነ ኢና ስቕ ንብለኪ ዘለና’ምበር፡ ንሕና’ውን


ከም’ዚ ኢልኪ ክንርእየኪ ኣይምደለናን።
- ዝገበርኩም ጌርኩም ናብ ጉዳይኩም ትኣትዉ ኣለኹም ሙሽ? ኣነ እንታይ ኮይነ
ኢኹም ብኣይ ትሻቐሉ? ዝሕሸኒ ባዕለይ’የ ዝፈልጦ ያዓኸ!
- ናድያ፡ ሳብሪን ክሳብ’ታ ንስኺ ዝበጻሕክያ ደረጃ ትበጽሕ ኣይጸንሑን’ዮም ኢልና
ኢና’ምበር መርዓ ጓሉ ዘይደሊ መን ኣሎ? ንኩነታት እንዳ ኣዳላ ድማ ከም
ምኽንያት ኣይተቕርብዮ። (? ? ?)
- ድሕሪ ደጊም ዘፍቀርክዮ ሰብ እንተሎ ብቤተሰቡ ይምጽኣና። ምስ ሓደ ዕድሚኡ
ዝወድኤ ሰብ ኮለል ትብሊ ከይትህልዊ። ብምኽርን ልዝብን ዝኸውን መርዓ ድማ
ቅቡል’ዩ። እዛ ጓለይ፡ እዚ ኣክረም ወዲ ኢብራሂም ካልእ እዋን እንተመጺኡና
ባሪኽናልኩም ኣለና ክንብሎም ኢና።
- ከም’ዚ ትገብሩ እንተዀንኩም ስለምንታይ ንእንዳ ኣቦይ ኣዳላ ትሓምዩዎም
ኣለኹም? ኣነ ኣቕሓ ድየ ብዘይ ድልየተይ ዝለዓልን ዝቕመጥን? እንታይ ዝበለ
ጸገም’ዩ?
- ርኣያ እንታይ ጌርናያ ሕጂ? (? ? ?)
- Scene 266
- ስምዕኒ ናድያ!

- ኣሃ ማማ? እንታይ ክትብሊ ደሊኺ?

- እዚ ዝደልየኪ ዘሎ ሰብኣይ ንዓኺ ክብል’ዩ ካብ ብሪጣንያ መጺኡ ኢሎሞ።


ዕድመ’ውን ይኸይድ’ዩ ዘሎ። ጓል ኣንስተይቲ ድማ ክብረታ መርዓ’ዩ ድራረይ።
ሕራይ በልና፣ ዕድመን ጥዕናን ይሃብኪ!
- ማማ ንዓይ ኢሉ ድዩ መጺኡ ወይስ ንኻልእ ጉዳዩ እንታይ ትፈልጢ? ንዓይ
እንተደልዩ ድማ ቦታይ ይፈልጦ’ዩ።
- ናድያ፡ ኣነ ብዕድልኪ ኣይትጻወቲ እብለኪ ኣለኹ። እዚ ወዲ ንፉዕን ወረጃን’ዩ
ኢሎሞ።
- ማማ፡ ኣነ ብዕደለይ ኣይተጻወትኩን። ንዓይ ዝሕሸኒ ድማ ባዕለይ’የ ዝፈልጦ።
‘ሰብኣይ ከይሓዛ መተርኣስ የዳልዋ ትብል’ ነይራ ዓባየይ። ምስ መጻእኪ ሕሰብሉ።
- እሞ ሕጂ እንተመጺኡኪ ሕራይ ትብልና ዲኺ ናድያ?

- ማማ፡ ኣነ እዝን እትን እብል የለኹን። ንዓይ ዝኸውን እንተረኺበ ኣይጸልእን’የ።


ንዓይ ዘይከውን ድማ ኣይደልዮን’የ።
- Scene 268
- ናድያ ጓለይ፡ ብዓድን ብወጻእን ኩሉ ይሓተልኪ ኣሎ።

- ኣነ ዝደለኹዎ ድዩ ወይስ ንስኻትኩም? መርዓ ኣበይ ከይከደኒ!


- ወላዲ ንውላዱ ጽቡቕ ስለዝምነ’ዩ። ዝሓትቱልኪ ዘለዉ ከኣ ኣይውሓዱን ናድያ።

- ኣነ ግን ምርጫይ’ዩ ድልየተይ።

- እዞም ደቂ ኣኮታትኪኸ እንታይ ኮይኖምኺ?

- እዚኣቶም ኣብ ሓንጎለይ የለዉን። ንደቂ ኣኮታትን ኣሞታትን ከኣ ከም ኣሕዋተይ’የ


ዝርእዮም።
- ዶ? እዚ’ዩ መልስኺ? በቃ! ድሕሪ ሕጂ ኣይንግድደክን ኢና።

- እወ ማማ! እዚ’ዩ መልሰይ። ንስኹም’ውን መርዓ መርዓ እናበልኩም ኣይተሸግሩኒ።

- ድሓን፣ ንኺድ ንኣቦኺ ኖራይ ክንርእዮም። ኣቦኺ ይጽበየና ኣሎ።

-
Scene 425

- ኣነ ኣይዝክሮን’የ።

- ኣነ ግን ጽቡቕ ገይረ እዝክሮ’የ።

- ስምዕኒ ነጃት፡ ስነይ ምስ ጎረፈ ናበይ ገጸይ ከም ዝደርበኹዎ ትፈልጢዶ?

- ናበይ ገጸይ ደርብየዮ ኢልኪ ጓለይ?

- ናብ ኦሮታ ገጸይ ደርብየዮ።

- ኦሮታ? ኦሮታ ማርያ?

- ኖኖእ! ናብ ሕክምና ኦሮታ ገጸይ ደርብየዮ ትብለኩም ኣላ።

- እሞ ስኒ እንተጎረፈ ናብ ሕክምና ኦሮታ ገጽካ ኣይድርበን’ዩ።

- ኣሃ?

- ናብ’ታ ዝተወለድካላ ቦታ ገጽካ ኢዩ ዝስንዶ።

- እሞ ኣነ ኣብ ኦሮታ ስለዝተወለድኩ’የ ናብኡ ገጸይ ደርብየዮ።

- ኣይተረዳእካያን ጃብር። ኣብ ሕክምና ኦሮታ ስለዝተወለድኩ ናብኡ ገጸይ ደርብየዮ


ትብለካ ኣላ።
- ኣነ ድማ እንታይ ትብል ኣላ እብል ነይረ።

- ሕጂ ስምዕኒ እዛ ጓለይ፡ መዓስ ተወሊድኪ?


- ዕለት 5 ላካቲት 2009፡ ሓሙስ ሰዓት 11፡00።

- ዘገርም’ዩ! ትስምዓ ኣለኻ? እቲ ዕለት ከመይ ገይራ ዘኪራቶ?

- ስምዓኒ፡ ንስኻትኩም ታሪኽ ልደት ደቅኹም ኣይትጽሕፉዎን ዲኹም?

- ዕለተ-ልደት ደቅና ኣይኮነን ዕለተ-ልደትና’ውን ኣይፈለጥናን።

- ስምዑኒ ኣቦይ ጃብር፡ ገዛና ትመጽኡ የለኹምን። ኣቦይ ኣሎ’ኮ።

- ድሓን፣ ክመጽእ’የ። ስምዕኒ፡ ዓንተቦይ ስነይ ናበይ ገጸይ ደርብየያ ኢልክኒ?

- ስቕ ኢለ ደርብየያ።

- ከምኡ ኣይትድርበን’ዩ። እቲ ባህሊ ብኣገባቡ ምእንቲ ክትፈልጡዎ፡ ስኒ ምስ ጎረፈ፡


እቲ ዝጎረፈ ስኒ ምስ ፍሓምን ጨውን ብሓንሰብ ቆጺርኩም ከም’ዚ ጌርኩም
ትድርብዩዎ። (? ? ?)

- Scene 427

- እንታይ ድኣ እቲ ሻሂ ደንጒዩ? ጥጥቖ ጋርሳይ ግዲ’ዩ ኮይኑ!

- ጥጥቖ ጋርሳኸ እንታይ’ዩ ኣቦ? ኩባያታት እሓጽብ ኣለኹ ከኣ።

- ጥጥቖ ጋርሳ ይትረፍ ንስኺ ኣቦኺ’ውን ኣይፈልጦን’ዩ እዛ ጓለይ። በዚ ኣብ ክረዴንሳ


ዘሎ ኩባያታት ዘይተስትዩና?
- ንሱስ ብመሰረቱ ኣይቅረብን’ዩ።

- እንታይ ድኣ ክኸውን’ዩ?

- ንሕና’ውን ሰቲናሉ ኣይንፈልጥን ኢና። ምናልባሽ ኣብ ምጽኣተ-ዓለም ንሰትየሉ


ንኸውን።
- ምጽኣተ-ዓለም ይጽንሓልኩም! ሕጂ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ግዜ ስተዩሉ።

- እዚ ንጽባቐ ንመልክዕ ጥራይ’ዩ ተቐሚጡ ዘሎ።

- ንመልክዕ ኢልካ ኣቦ? ጽባቐ’ሞ መዓስ ሕማቕ ኮይኑ።

- ኣነ ቅድሚ ሕጂ ነጊረክን’የ። ካብ እነጥርዮ ዳርጋ ዓሰርተ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ።

- ድሓን’ዩ። ዝበዝሐ ካብኡ ነጃት ሰይራቶ ኢያ።


- ጽቡቕ ገበረቶ! ኩሉ ስብርብር እንተተብል’ውን ኣይምጸላእናን።

- ትርእዮን ዘይትጥቀመሉን ነዚ ኣብ ኩባያታትኩም ዘሎ ጉድ’ዩ። (? ? ?)

- ሕጂ ናድያ ጓለይ፡ ሎሚ ምእንቲ ኣቦኺ ጃብር በዚ ኣብ ክረዴንሳ ተዘርጊሑ ዘሎ


ኩበያታት ኣስትይና።
- ከምኡ ግበሪ እዛ ጓለይ። ንስኹም እዞም ሰብ ኣስመራ እቲ ምእካብ ኣመልኩም
እንድዩ፡ እንዳ ኖራይ ሓወይ’ውን እቲ ክረደንሳኦም ብጠራሙዝን ኩባያታትን ቅጽጽ
ኢሉ ኢኻ ትርእዮ። በቃ፡ ከማኹም ስቕ ኢሎም ይርእይዎ።
- ከምኡ ስለዝኾነ ኢና ናይ ምጽኣተ-ዓለም ዝበልናካ።

- Scene 334

- ስምዕኒ ናድያ ጓለይ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ነጊርናኪ ኔርና ኢና። እዞም እንዳ ኢብራሂም
ንኣክረም ወዶም ይሓትቱልኪ ኣለዉ። ሕራይ በልና።
- እወ ‘ዛ ጓለይ ንፍዕቲ፡ እዞም ዝሓቱልኪ ዘለዉ ከምቲ ትፈልጥዮ፡ ምስ ደቆም
እናተጻወትኪ ዝዓበኽን ዝተማሃርክን ኢዮም። ወረጃታትን ሃብታማትን ከኣ
ኢዮም።
- በቃ ድሓን፣ ኣነን ኣክረምን ክንማኸር ኢና። ምስ ተረዳዳእና አፍልጠኩም።

- ንሱ ብዘይካ ናድያ ናብ ካልእ ጓል ተንከስ ከይትብሉለይ ኢዩ ኢሉ። ከም እትፈልጥዮ


ከኣ እዚ ወዲ’ዚ ማሽአላ ምሁርን በዓል ስራሕን’ዩ።
- እወ፣ ማሽአላ ዶክተር’ዩ። ምዕቡል፣ በዓል ገንዘብን ሃብታምን’ዩ እዛ ጓለይ።

- ድሓን፡ ምስ ተራኸብና ይኹነልና።

- Scene (እምበል ዕልብ)

- ናዱ ሓፍተይ እዚ ኣይተረድኣንን። ኣረድእኒ።

- ሕጂ ኣይትረብሽኒ! ኪዲ ጥራይ።

- ቅድሚ ሕጂ ሙሽ ዘይተረድኣኒ ተረድእኒ ኔርኪ? ነዚኣ ጥራይ ኣረድእኒ በጃኺ።

- ግደፍኒ እብለኪ ኣለኹ ነጃት።

- Scene 342

- ናድያ፣ እንታይ ኰንኪ ሎሚ?


- እንታይ ኮይነ ኢለኪ?

- ሎሚ ኩነታትኪ ደስ ኣይበለንን።

- ስራሕ ስለዝበዝሓኒ’የ።

- ካብ ስራሕና ዝበዝሕ ስራሕ?

- ስራሕኪ መዓስ ስራሕ ኮይኑ። ገዛ ውልውል ኣቢልካ ምምላስ እንድኣሉ።

- ድሓን፡ ነዚ ስራሕና እናነዓቕኪ እነሆ ናብ ምምህርና በጺሕኪ ናድያ።

- ማማ ክነዕርፈኪ ስለዝደለና ኢና’ምበር ተራኺ መዓስ ረሲዕናዮ። ኣቦይከ ደዊሉዶ?

- ኣይደወለን። ግን ጽባሕ ይመጽእ ይኸውን። ንስኺ ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ዋላ ዋላ


ኩነታትኪ ደስ ኣይበለንን።
- እንታይ ኮይነ ኢለኩም? ግደፉኒ በጃኹም።

- በቃ! በቃ! ከምኡ እንተኾይኑ ንገድፈኪ።

- Scene 366

- ናድያ ጓለይ፡ ቀልጥፊ እታ ባድላይ ኣምጽእለይ።

- እዋእ! ናበይ ትኸዱ ኣለኹም? ቡን ንቘሉ ኣለና።

- እዞም እንዳ ኣዳላ ጓሎም ጠፊኣ ይብሃል ኣሎ። ድሃዮም ክገብር ናብኦም ክበጽሕ’የ።

- እንታይ ጸገሙ ኢዩ? እዚ ብግዲ ዝኸውን መርዓ መወዳእትኡ እዚ’ዩ። ንምንታይ


መርዓ ብዘይ ድልየት ይኸውን?
- ናይ’ዚ ኩሉ ጠንቂ ኖራይ’ዩ። ኖራይ ንዝተዛረቦ ሰብ ከም ዕቡድ ከልቢ ይነኽሶ ኮይኑ።

- ምስኪነትይቲ ሳብሪን! ክመሃርን ስድራይ ክሕግዝን እናበለት ዕድላ ቆጺዮሞ።

- እዚ መንግስቲ እንተፈሊጡዎ ንኣቦይ ኖራይ ጸገም ከምጽኣሉ’ዩ።

- ኣነ ሕጂ ክበጽሖም’የ። ሰብ ኣጥፊእካ መዓስ ኮፍ ይብሃል ኮይኑ። እንተ ኖራይ ግን


ብኣና’ውን ሕጉስ ኣይኮነን።
- ንሕናኸ እንታይ ጌርናዮ ባባ?

- ድሓን፣ ደሓን። ሓድሽ ምዕራፍ ኣይትኽፈትልና እዛ ጓለይ። ከይደ ጥራይ።

- ድሓን ውዓሉ! ረቢ ድማ ይሓግዝኩም!


- Scene 389

- ስምዕኒ ናድያ፡ ድሕሪ ሕጂ እዚ ‘ጂሚ ጂሚ” እናበልኪ ተቀባጥርሉ ዘለኺ ወዲ ስሙ


ክልዓል ኣይደልን’የ።
- ምስኪናይ ጀማል! ንምንታይ ንጀማል ብሰንኪ ኣቦኡ ትቐጽዕዎ ኣለኹም? ጀማል
እንታይ ገይሩ?
- ኣይ! ዘገርም’ዩ! ንስኺኸ ካብ መዓስ ጠበቓ ጀማል ኰንኪ? ክትፈልጥዮ ዘለኪ ከኣ
ሓደ ሰብ ወለዱ እንተዘይጥዕዮም ንሱ’ውን ኣይጥዕን’ዩ።
- ባባ፡ ኣነ ህጻን ኣይኮንኩን። ዘጸብቐለይን ዘኽፍኣለይን እፈልጥ’የ። ምስ እከለ ቅረቢ፡
ካብ ከለ ርሓቒ ማለት ንዓይ ውርደት’ዩ።
- በቃ! ርእይቶይ ትሰምዕን ብርእይቶይ ትኸድን እንተዀንኪ ነዞም እንዳ ኖራይ
ኣይትቕረብዮም እብለኪ ኣለኹ። ክዋሰቦም ኣይደልን’የ።
- ባባ፡ ኣነ ነዚ ካባኹም ኣይተጸበኹዎን። ድሓር ቅርሕንትኹም ምስ ጀማል ዘይኮነ
ምስ ኣቦይ ኖራይ’ዩ ‘መስለኒ።
- እሞ ጀማል ወዲ መን ድዩ ኣቲ ሕማቕ? ኣነ ድሕሪ ደጊም ንእንዳ ኖራይ ክዋሰቦም
ኣይደልን’የ እብል ኣለኹ።
- ናድያ ዓባይ ሰብ ኢያ። መምህርን ኣላይትን ዘምሕረላን ዘኽፍኣላን ካባና ንላዕሊ
እትፈልጥ ሰብ’ያ።
- ኣነ ርእይቶይ እዚ’ዩ። ንስኻትክን ድማ ርእይቶኽን ምሳኻትክን ኣሎ።

- Scene ?

- ድሓር፡ በታ ጃልባኦም እናተጓዓዙ ማዕበልን በርቅን ዝናብን ህቦብላን


ኣጋጢሙዎም…
- ኣነ ክድቅስ’የ፡ ድሓን...!

- ድቃስ መጺኡኪ? እሞ ደቅሲ።

- ሃለው፡ ሃለው ጂሚ! ሕጂ’ውን ንመርዓ ትዳለዉ ኣለኹም?

- ኣቦይ’ዩ ዝዳሎ ዘሎ። ኣነ ግን የለኹሉን፡ መንከ ነጊሩኪ?


- ሰሚዐዔ። ንስኻ ግን ትሓብኣለይ ኔርካ። ንምንታይ ዘይትነግረኒ?

- እዚ መርዓ’ዚ ብዙሕ ኣይትሻቐልሉ። ዕድለይ ባዕለይ ክወስን’የ።

- ዕድለይ ክትብል ከለኻ እንታይ ማለትካ’ዩ?

- እወ፡ ዝሓለፈ መርዓ ሳብሪን ባዕላ’ያ ኣፍሺላቶ። ነዚ መርዓ’ዚ ድማ ባዕለይ


ከፍሽሎ’የ።
- እንታይ’ዩ? ንስኻ’ውን ናብ እንዳ ኣቦኻ ጃብር ክትሃድም ዲኻ ወይስ?... (? ? ?)

- ኣይትሓዝለይ፣ እቲ ምስጢር ንድሓር ይኹነልና። ኣነ ንናድያ ገዲፈ ንሳብሪን


ከምዘይምርዖ ጥራይ ፍለጢ።
- ወላሂ ረቢ ይሓግዝ! ግን ሓሳብካ እንተተካፍለኒ ጽቡቕ ነይሩ።

- ተዓገሲ ጥራይ፣ ቀስ ኢሉ ክበርሃልኪ’ዩ። ኣቦይ ሮመዳን’ውን ኣብ ጎድነይ’ዩ ዘሎ።

- ረቢ ይሓግዝ! ቻው!

-
- Scene 374

- እንታይ ትገብሪ ኣለኺ? ቀልጥፊ’ባ ብጽሕ ኢልና ክንምለስ።

- መጻእኩ፡ መጽኣኹ። ምስኪናይቲ ራየት! ካብ’ታ ጓላ ዝጠፍኣትላ መዓልቲ ድቃስ


ስኢና!
- ንሳ ጥራይ መዓስ ኮይና! ኩልና እንዲና ድቃስ ስኢንና ዘለና።

- እንቋዕ ተረኽበት’ምበር መሳኪን እንዳ ኣዳላ መሳኪን ተዋጢሮም ነይሮም። በዚ


ዝተቖጽረ መርዓ ፋሕ ይብል፡ በቲ ድማ ጓልካ ትጠፍእ። ሕማቕ ረኺቦም ነይሮም።
- መርዓ ብዘይ ድልየት እዚ’ዩ መወዳእትኡ። ኖራይ ድማ ብዘይካ ባዕሉ ዝወሰኖ
ርእይቶ ደቁን ኣሕዋቱን ኣይሰምዐን።
- ኣነ ነዞም ባህልና እናበሉ ድላዮም ዝገብሩ ሰባት ጸላእኩ!

- ንምንታይ ከምኡ ኢልኪ?

- ኖራይ ናይ ኣዝማድ መውስቦ እናበለ ኣዋልድ ኣዳላ ይምንጥል ከምዘይነበረ፡ እንዳ


ኣዳላ ብወገኖም ጓልካ ንወድና ምስ በሉዎ ስለምንታይ ዘይተቐበሎ?
- ምስኪናይቲ ሳብሪን! እንቋዕ ካብ ሓደጋ ድሓነት። ደንጒኽና፣ ጸላኢና ምስ ኣንስቲ
ይጐዓዝ።
- ሓንሳብ ተዓገሱ። ብመንገብገብ ትበርር ጭሩ መዓስ ኮይነ!

- ዘረባ ኣይተብዝሒ! ቀልጥፍና ጥራይ።

- እንኩም!

- ግደፍና፣ ቀልጥፊ ጥራይ።

- በቃ ንኺድ! ብስምላ… (? ? ?)

- Scene ? (ኣክሽን ህግያ ለኣለቡ ሌጣ)

- Scene 292

- ሃለው ጂሚ! እወ እሰምዓካ ኣለኹ። ኣየናይ መርመራ? ኣሃ! ገለ ዕድልካ ርኤ


ኣይበለካን? እሞ ሕጂ እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ ጂሚ? በቃ፣ ኣነ’ውን ዝብለካ
ወይ ዘረባ ኣቦኻ ሰሚዕካ ምስ ሳብሪን ተጠርነፍ ወይ ብውሳኔኻ ናብ ናድያ! ድሕሪ
ደጊም እቲ ውሳኔ ናባኻ’ዩ። ኮይስ ቻው!
- Scene 400

- Nadia Tel

- ሃለው ጂሚ! ሃለው! ከመይ ኣለኻ? ኣይትሓዘለይ፣ ኣብ ሳሎን ስለዝነበርኩ ክሳብ


ዝወጽእ ደንጒየካ። ወላሂ ጂሚ ሓወይ ኣነን ንስኻን ንዘልኣለም ብተስፋ ክንነብር
ኣይኮንናን። ሕጂ ድማ ዝገደደ ኣቦይ ይምከሓለይ ኮይኑ። ክሳብ መዓስ ጂሚ? ኩሉ
ነገር ዶብ ኣለዎ ‘መስለኒ። ቻው! ቻው በቃ! (? ? ?)

Scene 471

- ስተል ሓፍተይ ከመይ ውዒልኪ? ገለ ነተን ኣዋልድ ኣይርኣኽየንን?

- ኣይረኣኹወንን፣ እዘን ኣዋልድና እንተተራኺበን ለይቲ ኣይብላ ቀትሪ!...


ጸወታ’ውን’ኮ ግዜ ኣለዎ!
- ሕጂ ኣበይ ንድለየን ‘መስለኪ?
- ግደፍየን፣ ኣበይ ኢልና ክንደልየን። ባዕለን ክመጽኣ’የን።

- ስምዕኒ ስተል ሓፍተይ፡ እዞም እንዳ ኣዳላ ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጎኦም ዝተላዕለ ግጭት
ከመይ ኣለዉ? ደሃዮምዶ ኣለኪ?
- እንዳ ኣዳላ ኩነታቶም ጸንኪሩ ኣሎ ምሕረት። ሕጂ ድማ እዚ ዕቁብና ንራየት
ዘይነሕልፎ፣ ምሓገዛ።
- ጽቡቕ ኣለኺ። እዚ ግን ፍታሕ ኣይኮነን። ስራሕ ዘይንደልየላ ስተል ሓፍተይ።

- ስራሕ ኢልኪ? ካብ ስራሕና ብዙሓት ኣንስቲ ወጺኤን ስለዘለዋ ኣብኡ ሕተቲ ንበላ።

- በቃ! በቃ፣ እዚ ዝሓሸ መንገዲ’ዩ። ሕጂ ንስኺ ብወገንኪ ኣብኡ ሕተትላ። ኣብኡ


እንተዘይተዓዊትክን ድማ ንገርኒ። ኣነ’ውን ብወገነይ ክደልየላ።
- ሕራይ፣ ንነግረኪ’የ ድራረይ።

- እታ ጓል እንተመጺኣ ስደድለይ ኢኺ።

- ሕራይ፣ ሕራይ እሰደልኪ። ድሓን ሕደሪ።

- Scene 503 ( ኣክሽን እምበል ሂጋ)

- Scene 502

- ነጃት ንዒ! ንዒ! ምሸት ምድሪ ናበይ ትኸዲ ኣለኺ?

- ማማ፡ ሓንሳብ ምስ በዓል ሄቨንን ሳምያን ክጻወት።

- ኣበይ ኣለዋ በዓል ሄቨንን ሳምያን? ሕጂዶ ኣብ’ዚ ምሳይ ኣይጸንናሕክን?

- ሕጂ፡ ሕጂ ጸዊዐናኒ።

- ኣቲ ጓል ሓሶት ለሚድኪ ኣለኺ። እንተዝጽውዓኺ ዘይሰምዐን።

- ማማ፡ ሕጂ ፊስካ ገይረናለይ።

- ፊስካ?!

- ኣሃ? ሰሚዕክየን? ሕጂ ፊጽ ኣቢለናለይ። ክኸይድ’የ።

- ፋጻን ፊስካንከ እንታይ’ዩ? በቃ፣ ቀልጢፍኪ ተመለሲ።

- ኣክሽን ሌጣ (? ? ?)
- Scene 456

- እዚአን ተረዲእክየንዶ? በቃ ንስራሕ። ሃለው ጂሚ!

- ነጃት ጓለይ፡ ሓፍትኺ ጽቡቕዶ ተረድኣኪ ኣላ?

- ባባ፡ ነዚ ጀማል ዝባሃል ወዲ ሙሽ ኣይትቕረብዮ ኢልካያ? ‘ጂሚ! ጂሚ!’ እናበለት


ተረድኣኒ የላን።
- ስቕ በሊ! ኣብ ዘረባ ዓበይቲ ኣይትእተዊ። መበጻጽሒት!

- ድሓን፣ ድሓን። ሕጂ ንስኺ ኪዲ ኣብ’ታ ክፍሊ ኣቲኺ ኣጽንዒ።

- እንታይ ዓይነት ቈልዓ’ያ? ቅድሚ ግዜኣ ዓብያ። መበጻጽሒት!

- ነጃት መበጻጸሒት ኣይኮነትን። ሓቂ’ያ ተዛሪባ፡ ንስኺ ግን ንናድያ እናሓባእክላ ኣብ


ርእስና ሰቒልኪያ።
- እሞ ሕጂ ኣነ እንታይ ኢለ? ቅድሚ ግዜኣ ዓብያ እብል ኣለኹ።

- ንሰምዓኪ ኣለና። ነጃት ሓቂ ስለዝተዛረበት ቅድሚ ግዜኣ ዓብያ፣ ንስኺ ከኣ ሓቂ


ስለዝሓባእኪ ኣብ ዘይግዜኺ ንኢስኪ። ነዛ ጓልኪ ስለምንታይ ዘይትመኽርያ? ብሰንካ
ኣብ ቅድሚ ሰብ ተዋሪድና። ኖራይ ካብ’ዚ ንላዕሊ እንታይ ክብለኒ ትጽበዪ ኣለኺ?
- እሞ ኣነ እንታይ ክገብር? ብቐደሙ ናድያ ጓለይ ድላያ ትግበር እናበልኩም
ሓንቂቕኩማ። ንዓይ ሕጂ ኣይትሰምዓንን’ያ። እንተሰሚዓትኩም ባዕልኹም ጓልኩም
ምዓዱ።

- Scene 458

- ሕጂ ስምዕኒ፡ ከይንመኽራ ከም’ዚ ናብ እንዳ ኣዳላ ዝወረደ ከይትሃድመና ፈሪሕና።


ንስኺ ኣደ እንዲኺ! ካብ’ዞም ዝሓትቱላ ዘለዉ ሰባት ክትመርጽ ምኸርያ።
- ንሳ ትፈትዎ እንተለዋ ዘይንሓትታ? ንምንታይ ነጨንቓ ኣለና?

- ኣለኒ እንተበለትከ ናብ ስድራ’ቲ እትመርጾ ከይደ ወድኹም ንጓለይ ሃቡኒ ክብል


ደሊኺ?
- ኣይፋለይን። ዘረባኣ እንተንሰምዕ ምሓሸ ማለተይ’የ።
- ሕጂ ነዚ ዘረባታት’ዚ ገዲፍኪ ካብ’ዞም ትብሎም ዘላ ሓደ ትምረጽ። ኣይከውንን
እንተ ኢላ ድማ ካብ’ዚ ወዲ ኖራይ ጥራይ ትርሓቕ። ዋላ ብዘይ ሰብኣይ ትብለ!
- እንታይ ድኣ ኣነ ምስ መጻእኩ ኣጽቅጥ ተብሉ? ትዛረቡዶ ኣይነበርኩምን።

- ናድያ ጓለይ፡ ንሕና ክሳብ ሕጂ ካብ ድልየትኪ ከልኪልናኪ ኣይንፈልጥን። ድሕሪ


ሕጂ’ውን ጽቡቕኪ ኢና ንደሊ። ግን ከም’ቲ ንሕና እነኽብረኪ ኣኽብርና፣ ወለድኺ
ኢና።
- ባባ፡ ኣነ ንክብረትኩም ዝትንክፍ ቅድሚ ሕጂ ኣይገበርኩን፡ ድሕሪ ሕጂ’ውን
ኣይገብርን’የ።
- እወ እዛ ጓለይ ንፍዕቲ። ንሕና’ውን ነዚታት ስለዝፈለጥና ኢና ንዛረበኪ ዘለና። ሕጂ
ድማ ዘረባ ኣቦኺ ስምዒ።
- ኖራይ ኣብ ቅድሚ እኩብ ሰብ ከመይ ከምዘዋረደኒ ትፈልጢ ኢኺ። ሕጂ ካብ’ዚ
ወዱ ርሓቒ። ሓቂ እንተለዎ ብኣጋባብ ይምጽኣና። ተጸሪፍና ከለና ምእንታኺ
ክንቅበሎ ኢና።
- ደድሕሪ ኖራይ ኣይትጥፍኡ። ኖራይ ሎም-ዘመን ተጸሊሉ’ዩ ዘሎ። ብሰንኩ ድማ
ምስ ጓልኩም ኣይትብኣሱ።
- ኖራይ ጽሉል ይኹን ጥዑይ ኣይግደሰንን’ዩ። በቃ! ሽም ናይ’ዚ ወዱ ኣብ’ዚ ክለዓል
ኣይደልን’የ።
- Scene 478

- ሕጂ’ውን እንዳ ኣዳላን ኖራይን ነቲ ቀደም ዝፈሸሎም መርዓ ከምብሓድሽ


ይገብሩዎ ኣለዉ ኢሎም።
- ፈሊጥና ኣለና። ግናኸ እዚ መርዓ’ዚ ከም’ቲ ናይ ቅድም ከበሮን እምብልታን
ይሃርሙሉ የለዉን። ኖራይ ንርእሱ ብሰንኪ እዚ መርዓ’ዚ ጓሉ ሞይታቶ ነይራ’ያ፡
ምስኪናይ።
- እታ ጓሎም እንታይ ኮይነ ኢላ’ያ በረኪና ሰትያ?

- ንስኺ’ውን ንመንሱር ወዲ ኣዳላ ተመርዓዊ ምስ በሉዋ ካብ መንሱር ንሞት መሪጻ።

- መንሱራ ምክሕትን ነዓቒትን ሰብ’ያ።


- መርዓ ቀበልታ ሕማቕ’ዩ። በቲ ሓደ ወገን ፍትሕ እንተጋጢሙ ነቲ ቀበልትኡ
ዘሉ’ውን ከምኡ ይፋታሕ። መርዓ ቀበልታ ድማ ካብ መርዓ ኣዝማድ ይኸፍእ። (? ?
?)
- ባባ፡ እዚ ቀበልታ ዝብሉዎ እንታይ ማለት’ዩ?

- ቀበልታ እንታይ ምዃኑ ኣይትፈልጥን?

- እንታይ ክትብሎ! ምስኪነይቲ ናድያ።

- ቀበልታ ማለት፡ ሓውን ሓፍትን ምስ ካልኦት ሓውን ሓፍትን ክመራዓዉ ከለዉ


ኢዩ። እዚ ድማ ካብ ቀደም ዝጸንሔ ልምዲ’ዩ እዛ ጓለይ።
- ኣሃ!

- Scene 480

- ስለምንታይ’ዮም ሰባት ንቀበልታ ዘዘውትሩዎ?

- ወጻኢታት ንኽውሕደሎም! እዚ ማለት ድማ እቲ ወዲ መመርዓዊ ገንዘብ


እንተውሒዱዎ ንሱ ንጓሎም ንኽምርዖ ንሓፍቱ እቶም ጓል ዝህቡዎ ስድራቤት
ይወስዱዋ።
- እሞ ብዋጋ ሓፍቱ ይምርዖ ኣሎ ማለት’ዩ።

- እዚ ሕማቕ ልምዲ’ዩ። ድሓር እዚ ካብ’ቲ ኣብ ዕዳጋ ዝካየድ መሸጣ ጥሪት


ብምንታይ ይፍለ?
- ብዝኾነ ይኹን መለክዒ እዞም ዓዲ’ዚኦም ሰራውሮምን ጨናፍሮምን ኣብ ሓድሕዱ
ዝተጠናነገ’ዩ።
- እወ፣ እቲ ዝፍጠር ግርጭት’ውን ብኸምዚ’ዩ ኣብ ሓድሕዱ ዝጠናነግ።

- ተጠናኒጉ እንድዩ። ኖራይ ብኸመይ ከምዝወጽኦ እንድዒ’ምበር። ሕጂ ነዚ ጉዳይ


እንዳ ኖራይ ገዲፍና ኣብ ጉዳይኪ ዘይንኣቱ?
- እወ እዛ ጓለይ ንፍዕቲ፡ ከም እንዳ ኖራይን ኣዳላን ሰብ ክወራዘየልና ኣይንደልን ኢና።
ዘረባ ኣቦኺ ስምዒ ‘ዛ ጓለይ፡
- እንታይ ትብሉኒ ኣለኹም? ዘይትገድፉኒ!
- Scene 484

- ኣንቲ ናድያ፡ ምስ ኣክረም ምስ ተራኸብኩም መልሲ ኣይነገርክናን። ሕጂ እንዳ


ኢብራሂም እንተመጺኦምና እንታይ ክንብሎም ኢና? ንገርና’ባ።
- ሓቁ’ዩ ኣቦኺ፡ ዶክተር ኣክረም ዕረፍቱ ክውዳእ ቀሪቡ’ዩ። ከይተመልሰ ከሎ እንታይ
ከምዝተበሃሃልኩም ነገርና።
- ኣቦይ ኢብራሂም ኣይተመልሰኩምን ድዩ?

- ኣይተመልሰናን። ንስኽን ኣክረምንከ እንታይ ወ Scene ኩም?

- ጸገም የለን፣ ኣነን ኣክረምን ተረዳዲእና ኣሎና።

- ኣሃ! ተረዳዲእኩም? ወዲእኩም ማለት ድዩ?

- ድሓን፡ ድሓን፣ ተረዳዲእና ማለት እንታይ ማለትኪ’ዩ? ሕራይ ተበሃሂልኩም ወይስ


ኣይፋል?

- Scene 492

- ንዒ ኮፍ በሊ!

- ማማ፡ እዚ መርዓ እንዳ ኣቦይ ኖራይ ብምንታይ ፈሺሉ?

- ንየው በልዮ! ‘ተሃዊኸን ይደፍእኦ፡ ተደቢረን ይሓፍሰኦ’ ከምዝብሃል ካብ ቀደሙ


ብታህዋኽ ስለዝተገብረ’ዩ ፈሺሉ።
- ብዘይ ድልየት ዝፍጸም መርዓ ከምኡ’ዩ።

- እወ፣ ብዘይ ድልየት ዝፍጸም መርዓ ከምኡ’ዩ። ግናኸ መርዓ እንዳ ኣዳላ ከም
ምሕላፉ ሓሊፉ’ዩ። ንዓና መርዓኺ ጥራይ’ዩ ዘገድሰና።
- ድሓን’ዩ፣ በኣይ ኣይትሻቐሉ። ብዕድለይ’የ ዝምርዖ።

- ብዕድለይ ኢልኪ?

- እወ ብዕድለይ። ዕድለይ ድማ ኣይጠፍኣንን’ዩ። ብዛዕባይ ኣይትሻቀሉ።

- Scene 528

- ምስኪናይ ኣዳላ! ኣብ’ዚ ቅንያት’ዚ ኣይርእዮን ዘለኹ።


- ድሕሪ’ቲ እዋን’ቲ ኣይርኣናዮምን። ኖራይ መዓስ ጽቡቕ ፈድዩዎም። ካብ ኩሉ ድማ
ነታ ጓል ካብ ትምህርታ ኣሰናኺሎማ፣ ምስኪናይቲ!
- ማማ፡ ጓሎም ድኣ ብቕድሚ ትማሊ እንድያ ናብ ትምህርታ ተመሊሳ። ኣነ’ውን
ኢንሻኣላ ኩሉ ዝከኣለኒ ክሕግዛ’የ።
- ኣብ ቤት ትምህርታ ተመሊሳ?

- እወ ተመሊሳ።

- ሎም-ዘመን ብልጫ’ዩ ዝሓልፋ’ምበር ተርክብ’ያ። ንፍዕቲ እንድያ።

- ብልጫ ባዕሉ ይፈልጥ! እንቋዕ ጥራይ ኣይመሃርን’የ ኣይበለት ዘይትብሉ።

- ናብ ቤት-ትምህርቲ ምጽእ ምስ በለት ፈለማ እቶም መማህራና


ኣተባብዖማ’ዮም። እቶም መማህርታ’ውን ንኩሉ’ቲ ዝሓለፋ ይጽሕፉላ ኣለዉ።
- ረቢ ይባርኮም! ንፍዕቲ ንዝነበረት ጓል ከም’ዚ ጌርካ ክትብድላ ገበን’ዩ።

- እወ፡ ገበን’ዩ። ምስኪናይ ኣዳላ’ውን በዚ ጉዳይ’ዚ ናብ ቤት-ጽሕፈት ጸዊዖም


መቕጻዕቲ ወሲኖምሉ ኢዮም።
- እወ፡ ገንዘብ ሓግዘኒ ክብል ናብ ኖራይ ሓዉ ምስ ከደ ኖራይ ብሕማቕ ተቐቢሉዎ።

- ኖራይ ተንኮለኛ ሰብኣይ ኢዩ። ኣነ ዝበልኩዎ ይኹን’ዩ ዝብል። ናይ ካልኦት ርእይቶ


ክቕበል ድማ ዘበት’ዩ።
- ርእይቶ ካልኦት ኣይቅበልን’ዩ። ሕጂ ናድያ ጓለይ፡ ነዛ ሳብሪን ሓግዝያ። ብዘይካኺ
ካልእ ሓጋዚ የብላን።
- እዚ ናባይ ግደፎ። ክሕግዛ’የ።

- ግርም! ግርም!

- ኣሃ? ተፈደሉ! (? ? ?) ትግርኛ

- Scene 381

- ድኻም ከመይ ነይሩ ኣዳላ?

- ድኻም ብዓወት እንተተሰንዩ ኣይጽላእን’ዩ። ድኻምና ግን ኣብ ፍሹል መርዓ ኮይኑ።


ሕጂ ድማ ካብ ድኻም ዝኸፍእ ነገር መጺኡ ኣሎ።
- እንታይ’ዩ! እንታይ ሓድሽ ነገር ተረኺቡ?
- እዚ መርዓ’ዚ ልዕሊ ክሳራ ገንዘብን ድኻምን ካብ ኣሕዋተይ ነጺሉኒ።

- ኣላሁ ወኣክበር! ኣብ መንጎኻን መንጎ ኣሕዋትካን እንታይ ተፈጢሩ?

- ኖራይ ብዘይካ ምህራም ዝገደፈለይ የብሉን። እቲ ዝተፈጥረ ሽግር’ውን ብሰንኩ’ዩ።

- ስምዓኒ፡ ጃብር ሓውኻኸ እንታይ’ዩ ርእይቶኡ?

- ኣላ ሳልም! ጃብር ካብ ፋልማዩ ዳሕራዩ ይኸፍእ።

- እንታይ ትብል? ጃብር ምሳኻ ጽቡቕዶ ኣይነበረን?

- ኣይጸብቕ በሎ! እቲ ዝሓለፈ ጸገማት ንሱ ዝሃንደሶ’ዩ ነይሩ። ሰላሕታ


መበጻጽሒ’ዩ።
- ኣይትበል!

- ኢለዮ ኣለኹ!

Scene 544

- ሕጂ ንሕና በብወገንና ንፈትሽ። ኣነ ንሓደ ናብ ተሰነይ ዝኸይድ ሰብ ነጊረ ኣለኹ።

- ጽቡቕ ጌርካ፣ ኣነ’ውን ንዓንሰባ ንዝኸዱ ሰባት ነጊረ ኣለኹ።

- ኣነን ኣቦይ ዓንዶምን ሕጂ ብሓንሳብ እናመጻእና ሓደ ሰብ ደዊሉ ከርክበካ’የ


ስለዝበሎ ናብኡ ተመሊሱ’ምበር “በዓልቲ-ቤተይ ካብ ደቀምሓረ ክሳብ ሰንዓፈ፡
ኣነ’ውን ካብ ድባርዋ ክሳብ ዓዲዃላ ንዘለዉ ቤተሰብና ንፖሊስ ክሕብሩ ነጊርናዮም
ኣለና” ኢሉኒ።
- ሕራይ፣ ኣብ ኣስመራን በዚ ወገን ጋሽ ባርካን ሳሕልን ባጽዕን ናባይ ግደፉዎ። ባዕለይ
ክሕብር’የ።
- ድሓር ኣቦይ ሳልም ኣብ መደበራት ፖሊስ ጥራይ ክንዲ ዝኸውን፡ ኣብ መሳጊድ፡ ኣብ
ቦታታት መርዓን ሓዘንን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ንግደት ክንሓትት ኣለና።
- እወ፡ ከምኡ ንግበር። በብዘለናዮ ድማ ንሕተት። ረቢ ከኣ ይሓግዘና! ሕጂ እቶም
ስድርኡ ተሸጊሮም ስለዘለዉ በብዓቕምና ገለ ንግበር።
- ዘረባ ሒዘ ረሲዔዮ’ምበር ኣቦይ ዓንዶም’ውን ከምኡ ኢሉኒ ነይሩ። ካባናን ካብኡን
ቁሩብ ኣኻኺቡ ሒዙዎ ክመጽእ’ዩ። እዚኤን ድማ ኣቦይ ሙኽታር ዝሰደደን’የን።
- ባረክ ኣላ ፊኩም! ኣሕዋት ዝገብሩዎ ጌርኩም! ንመንሱር ወዲ ኣቦይ ኣዳላ ድማ
ስራሕ ረኺበሉ ኣለኹ። ድሕሪ ደጊም ሓላፍነት እንዳ ኣቦይ ኣዳላ ባዕለይ ክስከሞ’የ።
- ጽቡቕ! ጽቡቕ! ንዓይ’ውን እዞም ምሳይ ዘለዉ ሰባት ኣዋጺኦም ሂቦምኒ ኣለው፣
ምሸት ክህበካ እየ።
- Scene 402

- ናድያ ጓለይ ናበይ ትኸዲ ኣለኺ? ሕጂ እንዲኺ መጺእኪ?

- ማማ፡ ምስ ጀሚላ ተቛጺርና ኣለና። ኣብኣ በጺሔ ክመጽእ’የ።

- ጽቡቕ ጌርኪ። ድሓን ውዓሊ!

- ኣይድንጉን’የ።

- Scene (እምበል ዕልብ)

- ሃለው ናድያ!

- ሃለው! መርሓባ ጂሚ! እወ ተዳልየ። እንታይ ድኣ ብታክሲ ዘይመጻእካ፣ ንምንታይ


ትደክም? መኪናይ! ኣላ ጂሚ ሓቢቢ! በቃ ተዳልየ ኣለኹ፣ ምጻእ። ካብ ገዛ ወጽእ
ኢለ ኣብ’ታ ኣንጎሎ ክጽብየካ’የ። ቻው! ቻው!
- Scene 138

- ናዱ ጓለይ፡ እንታይ ድኣ ሎምስ ተጸባቢቕኪ?

- መዓልቲ ልደት መሓዛይ ኣሎ። ናብኣ እኸይድ ኣለኹ። ድሓር ከኣ ሓድሽ ፋሽን
ኣይትኽደንን ኢኺ እናበልኩም ትነቕፉኒ ኔርኩም እንዲኹም።
- ጽቡቕ ‘ዛ ጓለይ ንፍዕቲ! ኣነ’ውን ከም’ዚ ኢልኪ ክርእየኪ’የ ዝደሊ። ጓል ኣንስተይቲ
ብነብሳ ክትግደስ ኣለዋ። ትምህርቲ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን።
- ጽቡቕ ኣለኺ ማማየ። እንተደንጒየ ኣትሻቐሉ።

- ኖኖእ! ምድንጓይሲ ኣይትደንጒዪ። ቀልጢፍኪ ተመለሲ ናድያ ጓለይ።

- ሕራይ፡ ሕራይ።

- ኣሃ! ናብ መሓዛይ ጀማልን ጅሙልን!


Scene 214

- እዘን ኣንስቲ ሎሚ ገዛ ብክፉቱ ገዲፈን ናበይ ኣቢለን?


- ኣቦ
- ዱም! ብስ! ጀር እንታይ ክትገብሪ ትሕቲ ዓራት ኣቲኺ? (? ? ?)
- ኣቚሑ ከመዓራሪ ጸኒሔ ኣቦ። ዘይንሱ’ዩ መኻዚኖና።
- ኣብ ትሕቲ ዓራት ንብረት እናኣቐመጥክን ንብረትና ኣጥፊእክን ኣትን!
- እሞ እንታይ ክንገብር? ጽበት ገዛ’ዩ’ኮ እቲ ጸገም።
- ስቕ ኢልኪ ኢኺ! ያላ ማይ ኣስትይና!

- Scene 262
- እታ ኣብሪቕ ኣብቲ ሸቓቕ ኣላዶ?
- እወ፣ ኣብኡ ኣላ። ማይ’ውን ኣለዋ።
- ኣደ!
- ሃቢ እስኪ እታ ሪሞት!
- መንሱራይ ሓወይ፡ እዛ ፊልም ክውድኣ ዘይትገድፈኒ?
- ስቕ በሊ እስኪ! ኩዕሶ ይሓልፈና ኣሎ።
- ኣታ በዳን ፈሊጠካ ኣለኹ። ንዒቕካኒ ሙሽ ንዓይ? ድሓን! ንበዓል ሳብሪን ሓፍተይ
ግን ከምኡ ኣይትገብረንን ኢኻ።
- መንሱራይ!
- ኣሃ?
- እታ ቴለቪዥን ኔው በላ። ኣቦኻ ሮመዳን ምሳኻ ከዕልል መጺኡ ኣሎ።
- ሓንሳብ! ኩዕሶ ይሓልፈኒ ኣሎ።
- Scene
- ኣቦይ ሮመዳን ከመይ ኣለኻ?
- ንስኺ ኪዲ።
- እንታይ ድኣ ሎምስ ኮሪኺ ሳብሪን?
- ባዕለይ እየ። (? ? ?)
-
- ሓቃ ኢያ፣ ብሽክሌታን ሽልማትን እንድዩ ዝህባ ነይሩ። ምስኪናይ መንሱር ግን
በዘይካ ጸርፍን መግናሕትን እንታይ ርእዩሉ።
- ሕጂ ናብ ኣስቢዳለ ኬድካ ዘይትርእዮ ድራረይ።

- ‘ሕማቕ! ዘይረብሕ!’ እናበለኒ ክበጽሖ? ድሓር ድማ እታ ርግምቲ ጓሉ ምስኡ


እንድያ ዘላ።
- ንስኻን መንሱራን ድሙን ኣንጭዋን ኰንኩም።

- ኔው በልያ! ሓሳዊት መበጻጽሒት! ኣነ ነዛ ጓል እዚኣ ክርኢ እንከለኹ ስብርብር


ኣብላ’ዩ ዝመጽኣኒ።
- እዚ ዘረባታት’ዚ ግደፍዎ። ንስኺ ሳምያ ድማ ቴለፍዥን ኣትሕትያ።

- ሎሚ ምሳኻ ከዕልል መጺኤ ኣለኹ መንሱር ወደይ።

- ጽቡቕ! ስምዓዮ መንሱራይ። ኣቦኻ ሮመዳን ደላይ ጽቡቕና ኢዩ።

- ስምዓኒ መንሱር ወደይ፡ ንስኻ ንፉዕ ኢኻ። ነዚ ኣቦኻን ነዘን ኣሓትካን ርኤ። ስራሕ
ሰብኣይ ስራሕ። ነዚ ኣቦኻ እስከ ርኣዮ። ንዓኹም ከዕቢ በዛ ብሽክሌትኡ ኣብ ትሕቲ
ሰብ ይሰርሕ ኣሎ።
- እወ መንሱራይ፣ ኣቦኻ ሮመዳን ደላይ ጽቡቕካ ስለዝኾነ ኢዩ።

- ሕጂ ኣብ ስራሕ ሞያ ጋራጅ ከእትወካ እየ። ንሓደ ዓርከይ ክነግረልካ እየ፣ ሕራይ?

- ሕራይ ኣቦይ ሮመዳን። ስራሕ እንተረኺብካለይ እሰርሕ።

- በቃ! ግርም ተረዳዲእና ኣለና።


- Scene 300
- እንታይ ንግበር? ሎም-ዘበን ኣብ ዓቢ ፈተነ ኢና ኣቲና ዘለና።

- ዋላ ሓደ ፈተነ የለን። እንተልዩ ድማ ብኢሂን ምሂን ይፍታሕ’ዩ። ሳብሪን ከኣ ገና


ኣብ መርዓ ኣይበጽሐትን።
- ሳብሪን ጓለይ ብዘይካ ጥራዝን ርሳስን ሓንቲ ዘይትፈልጥ! ሕጂ ብዛዕባ መርዓ
እንተ’ልዒልናላ እንታይ ክትብል ኢያ?
- ክንግድዳ ኢና። ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣዋልድ ብግዲ ይምርዓዋ ነይረን እንድየን።

- ብግዲ ክነመርዕዋ ኢና ኢልካ ኣዳላ? ግዴታ ጎነጽ’ዩ ዝወልድ። ጎነጽ ድማ ገበን


የስዕብ።
- ብዘይ ድልየት ዝፍጸም መርዓ ጸገም’ዩ። ንኖሪት ጓለይ ኣዋሪዱዋ ዘሎስ ዘይንሱ
ኢዩ።
- ሕጂ ንስኺ እንታይ ውሑድን ብዙሕን ትዛረቢ ኣለኺ? ሳብሪን ኣይትምርዖን’ያ
ትብሊ ኣለኺ?
- እወ! ጓለይ ብዘይ ድልየታ ሎሚ ኣይትምርዖ ጽባሕ ኣይትምርዖ እብል ኣለኹ።

- ኣዳላ ኣይትጋገ። ካብ ድልየት ሰበይትኻን ጓልካን ኣይትውጻእ። ንምንታይ ደድሕሪ


ኖራይ ኮለል ትብል ኣለኻ? ኖራይ ዝብላ ቅንዕቲ፡ ራየት እትብላ ድማ ጌጋ’ያ
ኣይትበል።
- እወ፣ ቃለይ ክስማዕ ኣለዎ። ኣነ ንጓለይ ንትምህርቲ እየ ዘገድዳ’ምበር ንመርዓ
ኣየገድዳን’የ።
- ኣቱም ሰባት፡ እዚ ትብልዎ ዘለኹም ስግንጢር’ዩ። ኣይከውንን ኢዩ።

- ጓልካ ትምህርተይ ክቕጽል እናበለት መርዓ!? መርዓ ብመርዑኡ ድማ ኣብ’ዚ


ዕድመ’ዚ? ግዱድ መርዓን እዚ ትብሎ ዘለኻን’ዩ ስግንጢር!
- Scene 336
- ሳብሪን ጓለይ፡ ክሳብ መዓስ ኢኺ ከም’ዚ ኢልኪ ብዘይ መግብን ማይን ክትጸንሒ?

- እንታይ ትኾኒ ኣለኺ?

- እንታይከ ዘይኮንኩ ኣደይ! ዕድለይ ቆጺኹሞ።

- ሳብሪን፡ መግቢ ልኸፊ። በቃ፣ ሕጂ ዝግበር ነገር የለን። መርዓ ኣትዩ’ዩ።

- ትምህርቲ ኣቋሪጸ መርዓ?

- ቅድሚ ዝኣገረ ነብስኺ ኣይትወጽዒ። ትምህርቲ ድሕሪ መርዓ’ውን ክቕጽል ይኽእል


እንድዩ።
- ኣደ፡ ዘይከውን እስኪ ኣይትዛረቢ። መርዓን ትምህርትን ከመይ ገይሩ’ዩ ብሓንሳብ
ዝኸውን?
- ከመይ ገይሩኸ ዘይከውን ሳብሪን? ተመርዕየን ከለዋ ይመሃራዶ የለዋን?!

- ማሸኣላ ወትባረካላ! ማሸኣላ! ጽቡቕ ርኢና!


- እንታይ ኰንኪ ሳብሪን ጓለይ? እንታይ ድኣ እዝንኺ ሒዝኪ? ዕልልታ ብስራት ተስፋ
እንድዩ!
- ንዓይ ግን ብስራት ዘይኮነ መርድእ’ዩ።

- ድሓን ከይደ። ክምለስ’የ።

- መርሓባ! ድሓን ውዓሊ!


- Scene 348
- እንታይ ድኣ እዚ መርዓኹም ዝሒሉ? እንታይ ተረኺቡ?

- ክንገብሮ ኢና። ኣብ ከተማ ክትገብሮ ግን ብርቱዕ’ዩ።


ከም ዝገበርካዮ’ዩ’ኮ ዝኸውን። እንተ’ጽቢብካዮ ይጸብብ፡ እንተ’ግፊሕካዮ ድማ
ይገፍሕ።
- ከም’ቲ ነፋዕ ኣብ መስጊድ ዝገበሮ ይሓይሽ ‘መስለካ? (? ? ?)

- ንዕኡ’ውን ርኢናዮ ኢና። ኩሉ ሓደ’ዩ።

- ብኸመይ?

- በዚ ቶርታታት፡ በቲ ስእልታት፡ በቲ ድማ ባህሊ። ኩሉ ከቢድ’ዩ። (? ? ?) ባንድ

- እሞ ከም’ዚ ናትና ይሓይሽ።

- እወ፣ ከምኡ ይሓይሽ። ከምኡ ግበር።

- እዚ ኖራይ ሓወይ ሎም-ዘበን ነዚ መርዓ ኣውጺኡዎ ዘሎ ገንዘብ ብዙሕ’ዩ ብዙሕ!

- ብዛዕብኡ ኣይትሰከፍ። ባዕሉ ስለዝመደቦ ባዕሉ ይውጽኣዮ።

- ካብ ኩሉ ሳብሪን ተማሂረ ክሕግዘኩም እናበለት ንመርዓ ገዲድናያ።

- ድሓን ኣዳላ። ዳሕራዩ የጸብቆ!

- መንፍዓታን ናይ ትምህርቲ ድልየታን ብሓቂ የተሓሳስበኒ ኣሎ። ከብደይ ትበልዓኒ


ኣላ።
- ኣዳላ እንታይ ትኸውን ኣለኻ? ዝሓለፈ ሓሊፉ’ዩ፣ ሕጂ ንድሕሪት ኣይትመለስ።
ጣዕሳ ዋላ ሓንቲ ኣይመልስን ኢዩ።
- ጣዕሳ ኔው በሎ።
- ሓቅኻ ኢኻ። ጣዕሳ ዋላ ሓንቲ ኣይመልስን’ዩ።

- ኖራይ እናኾብከበና፡ ንሕና ድማ እናተኾብከብና!

- ማዕሌሽ! ዝኸውን ኮይኑ’ዩ። ጸገም የለን።


- Scene 332
- ሕጂ ነቶም ቈልዑ ጥራይ ኣርሕቑልና።

- ቈልዑ ኣይመጽኡኻን ኢዮም ኣቦይ መርከ።

- ጽቡቕ ጌርኩም። ቈልዑ ምስ ጋሻ ክቕረቡቡ የብሎምን። ሕማቕ ጠባይ’ዩ


ዘልምዶም። ድሓን፣ እንታይ ድኣ ነዛ ግዓት ብዘይ ጸብሒ ቀሪብኩምልና።
- ትዕግስቲ ግበሩ ኣቦይ መርከ፣ ጸብሒ ይመጽእ ኣሎ። ድሓር ጽጋብ ብበመስመኣብ
ይፍልም ብተመስገን ድማ ይዛዘም። (? ? ?) መርከ/መርኬ
- ብስምላህ!

- ብልዑ ኣቦይ መርከ። (? ? ?)

- እበልዕ ኣለኹ። ነዛ ክንዲ ጎቦ ትኸውን ግዓት ከኣ ንበይነይ ኣይውደኣን’የ። ምሳይ


ብላዕ።
- ኣይፋለይን፡ ይኣኽለኒ፣ በርበረ እንተበሊዔ ጋስትራይት ክሓምም’የ።

- እንታይ ዓይነት ሕማም ኢዩ ጸባን ጠስምን ዝጸልእ?

- ነቲ ቈልዓ ካብ’ቲ ጸሓይ የእትውዮ። ጸባ ድማ በጽብጽሉ።

- እዚ ትብሎ ዘለኻ ቈልዓ ወዲ መን’ዩ?

- ምስኪናነይ ኣዲኡ ምሳና ገዲፋቶ ከይዳ ኣላ።

- ከም’ዚ ዓይነት በላዒት ሰበይቲ ኔው በላ! ካልእ ገዛ ስኢና ድያ ንሳን ወዳን ኣብ’ዛ
ጸባብ ገዛ ትመጽኣኩም? (? ? ?)
- ክተሸግረና ኢላ ኣይኮነትን መጺኣትና። ዘጽንሓላ ስለዝሰኣነት’ያ። ንሕና ድማ
ጎረቤት እንዲና!...
- ነቲ ቈልዓ ካብ’ቲ ዘምጸእኩዎ ጸባ’ስከ በጽብጽሉ። ብዙሕ ኣይተሕፍስሉ ከኣ፣ ቈልዓ
እንድዩ!...
- እቲ ትብልዎ ዘለኹም ጸባ ዳርጋ ተውዲኡ’ዩ። እንተኣኺሉዎስ ሕራይ።
- ጸባ ኢልኩም ጸባ ኣዘኪርኩምኒ። ንዓይ’ውን ካብ’ቲ ናይ ቈልዓ ጸባ ምቐሉኒ። ካብ’ቲ
ቈልዓ ንላዕሊ ንዓይ ከፊኡኒ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ዝቐረብኩምለይ በርበረ
ጋስትራይተይ ተላዒላትኒ።
- ሰሚዕናኩም ኣለና ኣቦይ መርከ። (? ? ?) መርከ

- ካብ’ቶም ንኣሽቱ ንሕና እቶም ዓበይቲ ሰኒፍና ኣለና። ጸባ ኣዘኪርኩምኒ። ንኣሽቱ


ከለና ጸባ ብኩባያ ዘይኮነ ብጓጉድ’የ ዝሕንፍፎ ነይረ። ኣዘኪርኩምና።
- ብስምላህ በሉ። ካብ ናይ’ቲ ቈልዓ መቒልናኩም ኣለና።

- ወዲ ኣይተ! እንታይ ድኣ ብማይ ጀሊሕኩሞ? ምስኪናይ ቈልዓ ኣይዛረብን’ዩ


ኢልኩም ብማይ ትቕሽሽዎ? ሕማቕ ጌርኩም! ሓጥያት እዚ ቈልዓ ኣይገድፈኩምን
ኢዩ። እንኪ ኣሕፍስለይ፣ ቁሩብ ወስኽሉ።
- ተኻዕዩ፣ በቃ! እዚኤን ናይ መወዳእታ’የን ነይረን። ሕጂ ጸባ የለን።

- ሕማቕ ጌርኩም። ጸባ ተደፊኡ ኢልኩም ሱቕ ክትብሉ!? ብበርበረ ቀቲልኩምና።

- ኣቦይ መርከ፡ በስመ ኣብ ዘይፈልጥ ተመስገን ኣይብልን’ዩ ይብሃል! (? ? ?) መርከ

- ኣዳላ፡ እዚ መርዓኹም እንታይ ኮይኑ’ዩ ኩሉ ሰብ ብኡኡ ዝዛረብ ዘሎ?

- ኣቦይ መርከ ዶብ ትሰግሩ ኣለኹም። (? ? ?) መርከ

- ኣነ ዶብ ኣይሰገርኩን። እዚ ኩሉ ጸገም ብሰንክኺ’ዩ ኢሎሞ። ንጓልኪ ወዲ ኖራይ


እንተዘይተመርዕዩዋ መን ክምርዓዋ ትደልዪ ኣለኺ?
- ገጽካ ይርሓቕ! በላዒ ዎበላዒ! በሊዕካን ሰቲኻን ስቕ ኢልካ ዘይትኸይድ? ሎምስ ከኣ
ናይ ኖራይ ልኡኽ ኰንካ መጺእካና?
- ሓቁ ኢዩ ኣቦይ መርከ። እቲ ጸገም ንስኺ ኢኺ። እቲ መርዓ ግን ክፍጸም’ዩ።

- ሓቁ’ዩ ኢልኩም? ድሓን፣ መርዓ ግዴታ የናብር እንተኾይኑ ንርእዮ።

-
- Scene 349
- ሰዲዶምኺ?

- እንታይ ክሰድዱኒ ድኣ! ኣቦይ ኖራይ እና’ንጸርጸረ ባዕለይ’የ ገዲፈዮም መጺኤ።


- ኣቦኺ ኖራይ እንታይ ይእውደኪ? ሰይቲ ወዱ’ምበር መዓስ ሰበይቱ ኰንኪ! እዚ
ምልኪ እዚ ክሳብ መዓስ’ዩ?
- ኩሎም ብፍቓዱ ኢዮም ዝኣትውን ዝወጽኡን፣ ብፍቓዱ ዘይትኸይድ እታ ስዲ ጓሉ
ጥራይ’ያ።
- መንሱራ ኢልኪ? እቲኣ ድኣ ጽልልቲ እንድያ። ንመን ትሰምዕ?

- ጽልልቲ እንተበሉኺኸ! ኣነን ንሳን ደርጋ ተባቲኽና ኢና።

- ኣሞኺ ዶንክኸ እንታይ ትብል ኣላ?

- ንሳ እትብሎ እንተትሰምዕዮ ምገረመኪ።

- ኮፍ በሊ ሳቡ።

-
- Scene 351
- እቲ ወረ ካበይ ከምዝረኸበቶ፡ ‘መንሱር ንመንሱራ ክምርዓዋ’ዩ ኢሎሞ፣ እዚ
ሃላይ’ዚ ከመይ ገይሩ ንጓለይ ይምርዓዋ?’ ኢላ ጸርጸር ትብል ነይራ።
- ንመንሱር ወደይ ሃላይ ኢላቶ? እዛ መበጻጽሒት፣ ክፍእቲ፣ ግናይ! ጽንሒ ጥራይ
ክትርእየኒ ኢያ።
- እዚ ዕዋላ ከመይ ገይሩ ንጓለይ ይምርዓዋ ኢላ ላዕልን ታሕትን ትብል ነይራ።

- ኣሃ! ዘገርም ኢዩ። ንሳቶም ከም ድላዮም ክሕጸዩን ክምርዓውን፡ ንሕና ከኣ ዋጋ


ዘይብልና ኰንና ክንተርፍ! ድሓን፣ ንሳቶም ክቡራት፡ ንሕና ድማ ሕሱራት
እንተዀንና ክንርኤኤ ኢና።
- ኣነ’ውን እዞም ንሓወይ ዘቆናጽቡ ዘለው ጽባሕ ናብ ገዝኦም ምስኣተኹ እንታይ
ክገብሩ ምዃኖም ይርኣየኒ ኣሎ።
- በቃ! ንሳ ኢያ። መውስቦኦም ይትረፈና።

- ቅድሚ ሕጂ ዝሃብናዮም ኖሪት ጓልና’ውን የጣዕሰና ኣሎ።

- ኣደ፡ ሳላ መንሱር ሓወይ ካብ’ዚ ዘለኹዎ ጭንቀት ክገላገል’የ ማለት ድዩ?

- ንሕና ጓልና ኣይንህብ፡ መንሱር ንመንሱራ ኣይምርዓዋ!


- Scene 339
- እንታይ ተርእዩና ኣለኹም? ስቕ ኢልካዶ መርዓ ይፍጸም’ዩ?

- እንታይ ትብሊ ኣለኺ? ኣቲ ሰበይቲ ሰላም ኣይትህብናን?

- እዚ ናብ ገዛና ዝጓረት ዘሎ ኣስቤዛ ናይ ምንታይ’ዩ?

- እዚ ኣስቤዛ’ዚ ንመርዓ ሳብሪን ጓልኪ’ዩ። ኖራይ ይሕግዘና ኣሎ።

- ሓገዙ ይትረፈና! ንስኻን ሓውኻን ነቲ ዝበልናኩም እንተዘይጌርኩም ድማ ኣነን


ጓለይን ምሳኹም የለናን!
- እንታይ ዲኺ ኢልክና ኔርኪ?

- እቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም! ኖራይ መንሱራ ጓሉ ንመንሱር ወድና ይሃበና።

- ድሓን፡ ድሓን፣ ሕጂ መርዓ ኣኺሉ ኢዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ብኸም’ዚታት


ክንዛረብ ኣይኮንናን።
- ቆጸራ መርዓ ኣብ ኢድና’ዩ። ንስኻን ሓውኻን ነቲ ዝጠለብናዮ
እንተዘይኣማሊእኩም ጓለይ ኣይህብን’የ።
- እንታይ ዓይነት ሰበይቲ ኢያ! ድሓን፡ ድሓን ክንገብሮ ኢና።
- Scene 326
- ወላሂ እዚ ኖራይ ክንድ’ቲ ዝገበረልና ጽቡቕ ሕጂ ቀቲሉና!

- ኖራይ ይኹን ካልእ ብዕድል ጓልና ኣይንጻወት።

- ኖራይ እንተዘይከውን ቃልና ኣብ ኣፍና’ዩ ነይሩ። ሕጂ ዘይትሕግዝና?

- እንታይ ትብል ኣለኻ? ንሳብሪን ብሓይሊ ተመርዓዊ ኢለ ክግድዳ ትደሊ ኣለኻ?

- እወ ንግድዳ! ጓልና እንድያ።

- እዚ ብመሰረቱ ኣይከውንን’ዩ። ድሓር ከኣ እንታይ ኣፈርክቡ ኣጓኒፉና።

- ሕጂ ኖራይ እዚ ኩሉ ገንዘብ ከሲሩ መርዓ ፈሺሉ እንተኢልናዮ ምስ ኩነታት ጥዕንኡ


ከመይ ክኸውን’ዩ?
- ኣነ ኣይግድሰንን’ዩ። ጓለይ ኣብ መጻወድያ ኣየእትዋን’የ። ልዕሊ ኩሉ ድማ መርዓ
ትሕቲ ዕድመ ገበን ኢዩ።
- እሞ እንታይ ትብሊ ኣለኺ? ጓልና መርዓ ኣብያ ንበሎ?
- እንተበልናዮኸ ይኣምነናዶ?

- ጓለይ ትምህርታ ከይወድአትን ኣብ ዕድመ መርዓ ከይበጽሐት ኣይትምርዖን’ያ።


ክሳብ ሽዑ እጸንሕ እንተኢሉ መርሓባ! እንተዘይኮነ ድማ ጻዕዳ ይጽንሓዮ።
- እንታይ መዓቱ’ዩ? ኩሉ ካብ ሓድሕዱ ዝገደደ?!
- Scene 329
- ካብ’ዛ ጓል ንስኺ ገዲድክኒ።

- ንስኹም ርህራሀ የብልኩምን። ነዛ ጓል ኣይትድንግጹላን ዲኹም?

- ኣነ ርህራሀ የብላለይን? ስለዝራህረሃኩላ እንድየ ዝበለጸ ሰብኣይ መሪጸ ዘርመዕዋ


ዘለኹ።
- ኣቦ፡ ርህራሄ እዚ መርዓ’ዚ እንተኾይኑ ይትረፈኒ።

- ኣቦኺ ኖራይ ስለዝፈተወኪ’ዩ ንውላዱ መሪጹኪ።

- እዚ ፍትወት ኣይኮነን፣ ኣስገዳድ’ዩ።

- ኣቲ ሰበይቲ ኣደብ ግበሪ! እንታይ’የ በዲለኪ?

- ‘ዝብኢ ምስበልዓኪ ስሓቒ!’ ኢላ ኢሎም። እዚ ናትካን ናይ ሓውኻን መርዓታት


ዳሕራዩ የጸብቆ!
- ንስኺ ጥራይ ስቕ በሊ። ካብ’ዚ ዕድል’ዚ ዝጽብቕ የለን።
- Scene 397
- ኣዳላ!

- ኣታ ሓሳዊ መበጻጽሒ!

- ኣታ እንታይ ኢኻ ኰንካ? እንታይ ሰይጣኑ’ዩ ሰሪሩካ? ንልዝብ ንመጽእ ኣለና።


(? ? ?)
- ንስኻ ሰይጣን ኢኻ። ምሳኻ ልዝብ የብለይ ዘረባን!

- ስማዕ፡ ክብረተይ ኣይትተንክፍ። ኣደብ ግበር! ንሕና ንጽቡቕ ንመጽኣካ ንስኻ ኸኣ


ብሁከት ትቕበለና?
- ዝባን ሕጊ ካብ ዘለኻዮ ተንከስ ከይትብል! ምስ ሓወይን ስድራይን ኣብ ጸገም
ዘእተኸኒ ንስኻ ኢኻ።
- እንሸኣላ ንስኻን ሓውኻን ሓዊ ይኣትወኩም! ገዲፍናካ ኣለና።

- ንዓይን ንኖራይ ሓወይን ናብ’ዚ ኩሉ ጸገም ዘእተኻና ንስኻ ኢኻ።

- ኣሃ! ተባኢስኩም በለኒ? ብቐደሙ’ውን ምስ ኣሕዋቱ ስምምዕ ዘይብሉ ሰብ


መጠረሽትኡ ከም’ዚ’ዩ ዝኸውን።
- ኣሃ! ትላገጽ ኣለኻ ሙሽ? ሰይጣን! ኣብ ዘይጸገምና ከእትወና’ዩ።
- Scene 387/388
- Scene 337
- እቲ ሽኮር ወሪዱ?

- እወ፡ ኩሉ ኣቚሑ ኣውሪድናዮ ኢና።

- ሎም-ዘበን እዚ ኖራይ ሓወይ ከቢድ ጾር ጸይሩ ኣሎ።

- ከቢድ ጾር ይራይ ኢልካ? ሓላፍነት እንዳ ወድን ጓልን እንድዩ ተሰኪሙ ዘሎ።

- እወ!

- ኩሉ ወሪዱ እንድዩ?

- እወ፣ ድስትታትን ሽሓኒታትን ጥራይ ተሪፉ ኣሎ።

- ድሓን፡ ድስትታትን ሽሓኒታትን ምስ’ቲ ካልእ ኣቚሑ ሒዘዩ ክመጽእ’የ።

- በቃ! ሕጂ ኩሉ ነገር ተዳልዩ ኢዩ።

- በቃ! ኣጣል ተዳልየን ኣለዋ። ጃብር ሓውኻ ገለ ሒዙ እንተመጺኡ ድማ ነገር


ተወዲኡ።
- ጃብር ጤል እናጎተተ ክመጽእ?! በትሪ እና’ወጣወጠ ከይመጽእ ፍራሕ።

- ስምሓን ኣላ! እንታይ ኮይኑ?

- ጃብር መርዓት ዘይተዋህበ ብጤል ክመጽእ ክንጽበ? (? ? ?)

- ንዑናይ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ኣቚሑ ነራግፍ።

- Scene 364
- ኣሕ! ጃብር ተጻዊቱልና! ነታ ጓል ባዕሉ ኣህዲሙዋ ኣሎ።
- ኖራይ በስመኣብ በል። ጃብር እንታይ ገይሩ? ጃብር የለን። ቅድሚ ሰሙን ደቁ ክርኢ
ገይሹ ኢዩ።
- ንስኻ ንርእስኻ ከም ሰይጣን መዓስ ደበኽ ኢልካና። ንስኻን ንሱን ምምጻኣኩም
ኣይፍለጥ ምኻድኩም! (? ? ?)
- ኣነ ነቲ ወረ ምስሰማዕኩ እዚታት ምእንቲ ከይርከብ ክዓርቀኩም ኢለ ስሔይ
ገዲፈ’የ መጺኤ። ካብ ዝፈራሕኩዎ ግን ኣይወጻእኩን። ሕጂዶ ይሓይሽ ጓልና
ኣጥፊእኩም?
- ንሕና’ውን ግደፉ ኢልናኩም ኔርና ኢና። ግን ዘረባና ኣይሰማዕኩምን ያጀማዓ።

- ኣታ ሳልም ኣብ ዘይምልከተካ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኣይትእቶ እስኪ!

- ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኣይትእቶ ኢልካ? ኣነ ጓና ኮይነ? መዓሌ! ብቐደሙ ‘ባዕሉ ዝሽየጥ


ዋጋ የብሉን’ ተባሂሉ እንድዩ ብቐደሙ። ከም ጎረቤት ባዕለይ ሓሲበ እየ መጺኤ።
ኣይትሓዙለይ።
- ኣይትበል ሳልም! ንስኻ ሓውናን ደላይ ጽቡቕናን ኢኻ። ሕጂ እዚ ንሓድሕድና
ምትሕምማይ ገዲፍና ነታ ጠፊኣ ዘላ ጓልና ንድለ።
- እወ፡ ሳልም ሓውናን ደላይ ጽቡቕናን ኢዩ። ሕማቕ ጌርካ ኖራይ።

- ሕማቕ ጌርካ ትብለኒ ኣታ ድኑስ፡ ዘይጠቅም!? ኩሉ ገንዘበይን ንብረተይን


ኣፍሲሰልካስ እዚ ክትፈድየኒ?
- እንታይ ትብል ኣለኻ ኖራይ። ጥዑይ ዘረባ ተዛረብ። ኣነ ሓቂ’የ ተዛሪበ። ሓቂ ከኣ
ዝፈትዋ የብላን።
- እሞ ንሕና ኢና ንሕሱ ዘለና?

- ባዕልኹም ትፈልጡ! ሸቃሎ ኣዋፊረ ነታ ጓል ካብ ዘላቶ እንተዘይኣምጺኤያ እዚ


ጭሕመይ ኣብ ሰበይቲ ይብቈል!
- እንታይ ይብል ኣሎ? ተጸሊሉ’ዩ ‘መስለኒ።

-
- Scene 361
- ሳብሪን ጓለይ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ብጥሜት ኣይትሙቲ።
- ጓለይ! ጓለይ! ጠፋእኩ! ጠፋእኩ!

- ኣቲ እንታይ ወሪዱኪ? ድሓን ዲኺ?

- ሳብሪን የላን! ሳብሪን የላን!

- እንታይ ትገብሪ ኔርኪ? እንታይ ትሕልዊ ኔርኪ?

- እዚ ኩሉ ብሰንክኻ ኢዩ። ሓፍተይ ብዘይድልየታ ንመርዓ ገዲድካያ እናሃለት ጠፊኣ።

- እንታይ ትብሉ ኣለኹም?

- ሳብሪን የላን፣ ጠፊኣ!

- እዚ ከመይ ገይሩ ኣብ እዋን መርዓ ይኸውን? ካብ’ቲ ሓቢእኩማ ዘለኹም ቦታ


ኣውጽኡዋ እብለኩም ኣለኹ!
- እንታይ ኢልካ? ሳብሪን ሓፍተይ ብሰንክኻ ጠፊኣስ ሕጂ ንዓና ተጓጥጠልና?

- ግደፈኒ! ክቐትሎ እየ።

- ኣታ ዘይጠቅም! ሕጂ ሰብኣይ ኰንካ?

- ውጻእ ንብለካ ኣለና፣ ውጻእ!


- Scene 362
- መንሱር ወደይ ሕጂ ምስ ኣቦኻ ኖራይ ክንረዳዳእ ኢና ደገ ውጻእ።

- እዚ ወደይ ስምዓዮ፣ ውጻእ።

- ኣቲ ራየት፡ ሓልነት ናይ’ዛ ጓል ትስከሚ፣ ካብ ዘለታ ተምጽእያ። ኣነ ኖራይ ኣነ!


ኣንስቲ ክጻወታለይ!?
- ብጓለይ ትሕተት ንስኻ ኢኻ፡ ብሰንክኻን ብሰንኪ ሓውኻን’ያ ጓለይ ጠፊኣ ዘላ።

- እንታይ ጸገሙ’ዩ ደቀይ!

- እንታይ ትኾኑ ኣለኹም? ተረዳድኡ።

- ኣታ ሳልም፡ ኣብ መንጎና ኣይትእቶ፣ ንዓና ግደፈልና። ምሳኻ ድማ ምርድዳእ


የብልናን።
- ምሳይ ምርድዳእ እንተዘይብልኩም ድኣ ንምንታይ ጸዊዕኩምኒ?

- ኖራይ ኣይተፈራርሓና። ጓለይ ድማ ካባኻ ንዓይ ትቐርበኒ። ዓው-ዓው ኣይትበል።


- ንዓይ ንኖራይ ዓው-ዓው ኣይትበል ክትብለኒ? ድሓን፣ ርኢናኩም ኣለና።

- እወ፡ ንስኻን ሓውኻን ብጓለይ ተሓተትቲ ኢኹም። ሕጂ እንተዘየምጺእኩማ


ንፖሊስ ክሕብር እየ።
- ናብ ፖሊስ እንተኼድኪ እግርኺ ክቕርስመኪ’የ።

- ቈልዓ ኢያ፣ ኣብ ትኸዶ የብላን። ኣብ’ዚ ከባቢ ኣናዲና ክንረኽባ ኢና።

- ኖራይ ዶብ ትሰግር ኣለኻ። ግደፍ ኖራይ!

- ስቕ በል!

- ቈልዓ ምዃና ሕጂ ፈሊጥካ?!

- ኣቲ ራየት ጓል መንገዲ ኣይተምጽኢ።

- ንስኻ ኣዳላ ድማ ትዕግስቲ ግበር። ጓልካ ኣብ ትኸዶ የብላን። ሕጂ ጋሻና ንቀበል፣


ቃል- ኪዳንና ድማ ንእሰር።
- ቃል-ኪዳን ኢልካ?

-
- Scene 372
- ኣስመራ ዝገደፍናላ የብልናን፣ ኣብ ኩሉ ደሊና። ጓለይ ብሂወት እንተትህሉ ክሳብ
ሕጂ ኣይምጸንሐትን።
- ኣነ’ውን ንኩሎም ኣዕሩኽተይ ኣዋፊረዮም’የ። ክሳብ ሕጂ ግን ወረ ኣይረኸብናን።

- ኣነ ዝበሉ ይበሉ ንፖሊስ ክሕብር እየ።

- ሕጂ ንስኺ ኣይትሻቐሊ። ንፖሊስ ኣቐዲመ ባዕለይ ሓቢረዮም’የ። ካብ ኣስመራ


ሓሊፍና ከኣ ናብ ኩሉ ሰብ ኣዋፊርና ኣለና።
- ኣነ ኣብ’ቲ ተራእየትሉ ዝብሃል ዘሎ ቦታ ክበጽሕ’የ።

- ኣደ፡ ኣነ’ውን ምሳኺ ክብገስ’የ።

- ኣይፋልካን መንሱር ወደይ! ንስኻ ንሳምያ ሓፍትኻ ሓሉ። ንሳ’ውን ንእሽቶ እንድያ፣
ንበይና ኣይንገድፋን ኢና።
- ኩሉ እዚታት ኣየድልን’ዩ። ሰባት ኣዋፊርና ኣለና ንብለኩም ኣለና። ንስኻትኩም
ቴለፎናትኩም ኣይተጥፍኡ። ሓበሬታ ዝረኸበ ክድውለልኩም’ዩ።
- መን’ዩ መንሱር?

- ወላሂ ዘይፈልጦ ሓድሽ ቁጽሪ’ዩ።

- እስኪ ሃባ፣ ሃለው! ሳብሪን እንታይ ኮይና ትበኪ ኣላ ዘይነብ ሓፍተይ? መርሓባ!
መርሓባ!
- ያጀማዓ ሕጂ ኣብ ሕማቕ ከይትወድቕ መርዓ ዝብሃል ኣይተልዕሉላ።

- ነዞም ኣሕዋትካ ጥራይ ከልክል። እዚታት ከይመጽእ ኢና ቅድሚ ሕጂ ንቃወም


ዝነበርና።
- Scene 385
- ኖሪት ጓለይ በጺሕክናን ርኢኽናን ኢኺ። እንዳ ሓሙኺ ከኣ ከም’ቲ
ትፈልጥዮም’ዮም። ከፋንወኪ…
- ኣደ፡ ኣነ ኣይከይድን’የ፣ ክጸንሕ’የ።

- ድሓን ብሓንሳብ ኣለና። ኣይከይድን እናበልኪ ክሳብ ሕጂ ጸኒሕኪ ኣለኺ፡


እንተ’ፍቂዶምልና ድማ ኣብ’ዚ ምሳና ትሓርሲ።
- ኣደ ዘይትገድፍያ። ሎሚ እንድያ ትመጽኣና ዘላ። ድሓር ዕድል ኣይህብዋን ኢዮም።

- እንታይ ትብሊ ኣለኺ ሳብሪን? ብሰንክኺ ሓዊ ተኣጒዱ ከሎ ኖሪት ኣብ’ዚ ትጽናሕ


ትብሊ ኣለኺ?
- በቃ! እንተገይሮምልና ኣብ’ዚ ምሳና ክትሓርስ ስደዱልና ክንብሎም ኢና።

- ኣሃ! ኖሪት ሓፍተይ፡ ካብ ገጽ መንሱራ ገጽ መንሱር ሓውኺ ናፊቕኪ ሙሽ?

- ሕጂ ኪዲ ድራረይ። ካልእ መዓልቲ ባዕልና ክነብጽሓኪ ኢና።

- ኣደ፡ ኣነ’ውን ከፋንዋ ምሳኹም ክኸይድ?

- ንስኺ ሙሽ መርዓት ኢኺ? ኣብ ገዛኺ ጽንሒ።

- ኣላ መንሱራይ ወደይ! መርዓት ኢልካ? መርዓ ገዲፋቶ እንድያ። ድሓር መንሱር


ታክሲ ጌርካ ንሓፍትኻ ባዕልኻ ኣብጽሓያ።
- ኣነ ከመይ ገይረ ክምለስ ተሓስቡ ኣለኹም? ርህራሀ ዘይብሉ ገዛ!

- ኣቦኹም ይመጽእ ኣሎ። ሓሪቑ ከኣ’ዩ ዘሎ። ንጠንቀቕ ጥራይ።


- ኣሃ! ኩለኹም ኣብ’ዚ ተኣኪብኩም ኣለኹም ሓቀይ? ኣብ’ዚ ኩሉ ጸጋማት ዝኣተኹ
ብሰንክኽን ብሰንኪ ደቅኽን’ዩ።
- ኣቦ፡ ኣነ ምስ’ዚ ሰብኣይ’ዚ ክነብር ኣይክእልን’የ።

- ሓቃ ኣላ ኖሪት ጓለይ። ካብ’ዚኦም እንታይ ጽቡቕ ረኺባ?

-
- Scene 377
- ዕንባባ ሓዙ…

- ኣሃ! ድግስ ትገብሩ ኣለኹም እምብኣር!

- ፈለማ እንቋዕ ብሰላም ተረኽበት በል!

- ስቕ በል ሮመዳን!

- መጀመርታ ኮፍ’ሞ በል።

- ኣበይ ምስ ጠፍኤት’ያ ብሰላም ተረኺባ ትብሉ?

- ብኣዳላን ጃብርን ዝተማህዘ ተንኮል’ዩ። ሓቢኦማ ጸኒሖም፣ መርዓ ምስ ፈሸለ ድማ


ኣምጺኦማ።
- ኖራይ ዘይገበርናዮን ዘይወዓልናዮን ኣይተልግበልና፣ ሽምና ኣይተኽፍኣና።

- ጃብር ክሳብ ሕጂ ካብ መገሽኡ ኣይተመልሰን። ድሃይ መርዓኻ’ውን የብሉን። እታ


ጓል ድማ ኣብ ልባ ንዘይነበረ መርዓ ብግዲ ምስ ፈረድኩማ’ያ ሃዲማ።
- ንስኻስ መንዶ ይኣምነካ’ዩ? ባዕልኻ ሓቢእካያ’ውን ትኸውን። ሕጂ ኩሉ ንጎድኒ
ገዲፍና መርዓና ንግበር።
- ጓለይ ብሰንክኻ’ያ ኣብ ሕማቕ ወዲቓ ነይራ። ሕጂ ድማ ኣይኮነንዶ መርዓኻ
ገጽካ’ውን ክርኢ ኣይደልን’የ። ውጻእ ካብ’ዛ ገዛ!
- ንስኺኸ መን ዕድል ምስ ሃበኪ ኢኺ ተእትውን ተውጽእን ዘለኺ?

- ሕማቕ ሰብኣይ ከምኡ’ዩ። ንሰበይቱ ስለዘየአደባ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ካብ ገዛ ውጻእ


ትብለኒ ኣላ። እዚ ካብኡ ዝስጐጒ ዘለኹ ገዛ ከኣ ባዕለይ’የ ክራዩ ዝኸፍሎ።
- ሕጂ እዚታት ግዚኡ ኣይኮነን። ኣብ ህዱእ ቦታ ኮፍ ኢልና ክንላዘብ ኢና። ኖራይ
ድማ ህዳእ ንብለካ ኣለና።
- ድሕሪ ደጊም ኖራይ ክራዩ ኣይንደሊ መርዕኡ! ክራይ ገዛና ረቢ ክሕግዘና’ዩ። እቲ ገዛ
ድማ ካብ ጓለይ ኣይበልጽን’ዩ።
- Scene 416
- ረቢ ብሰላም የገላግላ’ምበር ኖሪት ሓፍትኺ ግዜኣ’ዩ።

- ስለምንታይ’ዮም ናባና ዘይሰድዱዋ? ምሳና እንተትሓርስ ምሓሸ።

- ኣቦኺ ኖራይ ከም’ዚ ክገብር? እቲ ቅድሚ ሕጂ ናባና ዝመጽኣቶ’ውን የጣዕሶ ኣሎ።

- ርኢኺ ኣደ? እታ ጓሉ ሓሳዊት መበጻጽሒት’ያ። ምስ ኖሪት ሓፍተይ ድማ ወትሩ


ምስ ተባኣሰት’ያ።
- እንታይ’ሞ ክንገብር! ባዕልና ዝገበርናዮ’ዩ። ንእንዳ ኣቦኺ ኖራይ መን ይዋሰቦም?
እንቋዕ ጥራይ ንስኺ ብሰላም ካብኣቶም ተገላገልኪ።
- እቲ ቀደም ገለ ክህቡና ከለዉ ካብ ርህራሀ ዝነቐለ’ዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ንሳቶም
ግን…
- ንጥቕሞም’ዩ። ክህቡና ስለዝደለዩ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ክሳብ ንዓኺ ዝረኽቡ’ዮም።
ብሓቂ ዝህቡ እንተዝኾኑ ሎሚ ዘይህቡና? ጀማል ግን ጥዑይ ኢዩ፣ ካብ ዘይጥዑይ
ተወሊዱ’ምበር።
- ነታ ብሽክሌትኦም’ውን ክንመልሰሎም ኢና።

- ኖኖ! እዚ ኣይከውንን’ዩ። ባእስና ክነርእዮም የብልናን።


- Scene 418
- ሰብኣይ ኖሪት ሓፍተይ ኣይመጽእ ደብዳበ ኣይሰድድ…

- ኣቡኡ’ዩ ገዲዱዎ’ምበር ኣብ ዓሰብ ኣፍቃሪት ኣላቶ ኢሎሞ። ብዛዕባ ኖሪት


ተገዳስነት የብሉን።
- እንታይ ትብሊ? ተመርዕዩ ከሎ ከመይ ገይሩ ንካልእ የፍቅር?

- መርዓ ኖሪት ከይፈተወ ስለዝኣተዎ።

- እንታይ ድኣ ዘይፈትሓ? ምሳና ምኾነት።

- ድሓን፣ ረቢ ጥራይ ብሰላም የገላግላ።

- መዓልኩም?
- መርሓባ!

- ኣቲ ቈልዓ ስምዒ፡ ድሕሪ ሕጂ ብዘረባ ኣዴኺ እንተተመሪሕኪ ኣነ ኣቦኺ ኣይኮንኩ፡


ንስኺ ጓለይ ኣይኮንኪ!
- እንታይ ገይረ? ኣቦ፡ ኣነ እንታይ ገይረ?

- እንታይከ ዘይገበርክን? እዚ ኩሉ ጸገም ዝፈጠርክን ንስኽን ኣዴኽን ኢኽን።

-
- Scene 423
- ከመይ ውዒልክን?

- መርሓባ!

- ሳምያ ኣይተፈደሰትን ድያ ሎምስ?

- እንታይ ኮፍ ከይበልና ብዛዕባ ሳምያ ተሓትቲ? እዚ ገዛ ከኣ ክሳብ ሕጂ


ኣይተኾስተረን?
- ጸባብ ገዛ ወትሩ ጋሕማጥ ኢያ። በዚ ትኹስትሮ፡ በቲ ድማ ይርገጽ።

- ገፊሕ ገዛ እንተረኺብኪስ ምሉእ መዓልቲ ክትኩስትሪ ኢኺ ማለት’ዩ።

- ጸላኢና ኣብ ጸቢብ ይቀርቀር! እታ ገፊሕ ገዛ ትምነየልና ዝነበረት ጓልና ካብ


ትምህርቲ ኣብዂርኩማ እንዲኹም።
- ስቕ በሊ በጃኪ! ዕረፍቲ ስኢንና። መርዓ ካብ ፈሸለ ናብ ቤት ትምህርታ ትመለስ፣
በቃ!
- ሕጂ ከመይ ገይረ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለስ? እዛ ዓመት’ዚኣ ብላሽ ሓሊፋ’ያ።

- ምስተመርዓኺ’ውን ክትምሃሪ ትኽእሊ ኢኺ ሳብሪን ጓለይ። ነዚ ምኽረይ


እንተነጺግኪዮ ግን ከም ኣቦኺ ኣይትሕሰብኒ።
- ቁስላ ከይንጎድኣ’ምበር እቲ ምኽንያትሲ ባዕልና ኢና።

- ኖራይ ሓወይ ከም ቀደሙ የለን። ድሕሪ መርዓ’ውን ሳብሪን ትምህርታ ክትቅጽል


ትኽእል’ያ ይብል ኣሎ።
- Scene ?
Scene 295

- ኖራይ ቀቲሉና! ሕማቕ ገይሩና!


- ነዛ እንትርፎ ጥራዝን ርሳስን ሓንቲ ዘይትፈልጥ ጓልና እንታይ ክንብላ ኢና ሕጂ?
- ከይፈተና ክንቅበሎ ኢና።
- ንስኻትኩም ባዕልኹም ትፈልጡ። ኣነ ግን ኣይሰማማዕን’የ።
- እንታይ ኰንኪ ዘይትሰማምዒ?
- ኣብ’ዚ መርዓ’ዚ ሎሚ ኣይሰማማዕ፡ ጽባሕ ኣይሰማማዕ!
- ኣቲ ሰበይቲ ረቢ ፍርሒ! ኣነ’ውን ፈትየ ኣይኮንኩን። ኣይተፍሽልና በጃኺ!
- ንረቢ ወትሩ’የ ዝፈርሖ ኣነ። ሓውኻ ከይተወከሰና ይውስን? ሕጂ ድማ ኣብ
ዝተወድኤ ነገር ርእይቶ ክህብ ኣይደልን’የ።
- ረቢ ፍርሒ! ነዛ ጓል ንንገራ።
- ቀደም ባዕልኹም ኢኹም ተወሃሂብኩም። ሕጂ ከኣ መርዓ ትብሉ ኣለኹም።
ብወገነይ ግን ኣይቅበሎን’የ።
- እዛ ጓል ጓለይ እንተኾይና ክትምርዖ ኢያ።
- ኣነ’ውን ኣዲኣ እንተኾይነ ሎሚ ኣይትምርዖ ጽባሕ!
- ሃየ ሮመዳን! ትመጽእ ኣለኻ?
- እንቋዕ ሮመዳን መጽኤ! ኣብ ከመይ ዝበለ እንታይ ዘበን ኢና በጺሕና ኣቱም ሰባት!
ወላዲ ብውላዱ ክሕተት የብሉን? በቃ እንስሳ ቆጺሩና ኖራይ ከምድላዩ ኣዋልድና
እናጎተተ ክወስድ!?

Scene 25
- ከመይ ውዒልኪ ኣደ?
- መርሓባ! ዕድመ ይሃብክን’ዘን ደቀይ!
- ኣቦይ ኣይመጽኤን?
- ኣቦኽን ኣቦኺ ኖራይን ናብ እስቢዳለ ከይዶም ኣለዉ።
- ኣቦይ ኖራይ እንታይ ኮይኑ ድዩ? ሕጂ’ውን ሓሚሙ?
- ብቴለፎን ድሓን’ዩ ኢሎምና። ኢንፉዥን ገይሮምሉ ኣለዉ።
- ኣላህ! እዚ ሕማም’ዚ…
- ድሓን’ዩ ኣይትሻቐሊ። ድሓን ኣሎ።
- ንሕና’ሞ ብዘይክኡ መን ኣለና?
- ረቢ ኣለና። እዛ ዘረባ እዚኣ ድሕሪ ሕጂ ከይትደግምያ።
- ሎሚ ምሳኺ ከይደ ክርእዮ’የ ኣደ።
- ኣቲ ጓል ኣደብ’ስከ ግበሪ።
- ኣደ፡ ኣይደሓንክን ዲኺ? እንታይ ድኣ ስቕ ኢልኪ?
- ድሓን’የ፣ ባዕለይ’የ። (? ? ?) ብነብሰይ’የ
- ኣደ፡ ሎሚ ዝገበርናዮ መርመራ ኩሉ ደፊነዮ።
- እንታይ’ዩ ደፊነዮኸ?
- ብዘይካ ማትስ ኩሉ ዓሰርተ ካብ ዓሰርተ ኣምጺኤ።
- ኣደ፡ ሎሚ እንታይ ኰንኪ ኣለኺ? ስቕ ኣብዚሕኪ! ትምኒተይ ካብ’ዛ ጸባብ ገዛና
ክንገላገልን ንኣቦይ ድማ ኣብ ትምህርተይ ነፊዔ ባዕለይ ሰሪሔ ክዕርፎን’ዩ።
- እወ ሓቅኺ። ግን ካብ ሓሳድ የድሕንኪ። ዕድመን ጥዕናን ድማ ይሃብኪ’ዛ ጓለይ
ንፍዕቲ።
- ኣደ፡ እንታይ ተረኺቡ’ዩ ሎሚ ነዛ ሓሳድ እትብል ቃል ትደጋግምያ ዘለኺ? ድሓር
ርኢኺ ኣደ፡ ከም ናይ እንዳ ኣቦይ ሳልም ዓቢ ሳሎን ክንገዝእ ኢና።
- ድሕሪኡኸ? ዓይኒ ጸላእትኺ ይደፈን!
- ድሕሪኡ ከኣ ፍላት ስክሪን።
- ድሕሪኡኸ?
- ድሕሪኡ ድማ ድኳን ተኻርየ በዚ መሃያይ እናእተኹ በቲ ድማ መነባብሮና
ከመሓይሽ’የ።
- ኣነ’ውን ተስፋይ ንሱ’ዩ። መጀመርታ ግን ረቢ ዕድመን ጥዕናን ይሃብኪ’ዛ ጓለይ!
- ሎሚ ብጥምየት ተሰኒፈ ኣለኹ።
- ሳምያኸ ድኣ እንታይ’ያ ትዕግስቲ ገይራ?
- በተን ዝነበራኒ ሰልዲ ፓኒኖ ገዚኤላ ነይረ።
- ሓቃ እንድያ ድኣ ከይትግደሰልና።

Scene 254
- ከመይ ውዒልኪ ሳምያ?
- መርሓባ ሶሲ! ከመይ ውዒልኪ? ማዕሌሽ! ሞቦይለይ ኣብ ሳሎን ገዲፈ ኣብ’ቲ
ጋርደን ጸኒሔ። ኣብ ገዛና እንተመጺእኪ ኣብ ውሽጡ ክትጠፍኢ ኢኺ!
- ኣታ ሓሳዊ ንምንታይ ትሕሱ? ገዛና ካብ መዓስ ገፊሑ?
- ኣቲ ሳምያ እንታይ ኰንኪ ኢኺ? ንምነ ኣለና፣ ኣይተረድኣናን።
- እቲ ሓሶትካ ግን ክጽብቕ! እስኪ ኣዕልለኒ? ክጥዕም
- ተዓመቲ’ሞ፣ ሕጂ እንታይ ትሓስቢ ‘መስለኪ፡ ገዛና ዓባይ ቪላ’ያ። ኣብ ውሽጣ
ጋርደን ኣለዋ። ኣብ’ቲ ጋርደን ድማ መሓምበሲ ኣለና፡፡ ነናትና መደቀሲ ክፍሊ’ውን
ኣለና።
- ኣቱም እንታይ ወሪዱኩም? ዓይንኹም ንምንታይ ትዕምትዎ ኣለኹም? ኣዑዝብላሂ
ምን ሸይጣን ኣረጂም!
Scene 302

- ጓለይ ኣይትምርዖን’ያ ትብሊ ኣለኺ?


- እወ! ትምህርታ ከይወድኤት ኣይትምርዖን’ያ።
- ንዓይስ ጓለይ ኣይኮነትን ድያ? ዘረባይ ኣይትሰምዕን?
- እንተፈትያ ባዕልኹም ሕተቱዋ። መልሳ ድማ ትሰምዑዎ።
- ባዕልኺ ዘይትነግርያ?
- ኣነ ኣይነግራን’የ። ካብ ቤት-ትምህርቲ ምስ ተፈደሰት ባዕልኻ ሕተታ። (? ? ?) ኣታ
- ዕላማኺ ምስ ሓወይ ክንበኣስ’ዩ። ፈሊጠኪ ኣለኹ።
- ኣነ ምስ ሓውኹም ክትፋተዉ ኢለ ብዕድል ጓለይ ኣይጻወትን’የ።
- ዘገርም’ዩ! ብመጻኢ ጓለይ ኣይጻወትን’የ ከኣ ትብሊ ኣለኺ?
- እወ! ዝምድናኹም ብዕድል ሳብሪን ጓለይ እንተኾይኑ ዝድልድል ሓዊ ይእተዎ!
- ዘገርም’ዩ! ድሓን ክንርአአ ኢና።
Scene 267

- ኣቦኺ ሎምስ ደንጒዩ።


- እንታይ ኮይኑ ኣሎ ኣደ? ሎም-ቅነ ብዙሕ ይመጽእ የለን።
- ናብ እንዳ ኣቦኺ ኖራይ ከይዱ። ኣቦኺ ኖራይ ሓውዩ ካብ እስቢዳለ ክወጽእ’ዩ።
- የስ! ኣቦይ ኖራይ ሓውዩ ካብ ሕክምና ክወጽእ’ዩ? ምሳኺ ክኸይድ’የ።
- ድሓን ሕራይ። ገዝኡ ምስ መጽኤ ብሓንሰብ ንበጽሖ።
- በርበረ በርቲዑኒ ኣደ። ማይ! ማይ!
- ማይ ሃብያ፣ እዛ ቈልዓ ማይ እንተዘይሰትያ ጸገም’ያ።
- ኣብ መኣዲ እንተዘየዕገርጊራ ኣይኮነላን’ዩ። እንኪ፣ ድሕሪ ሕጂ ባዕልኺ ማይኪ
ቀርቢ።
- እንታይ ድኣ ሎምስ ስጋ ዘይገዛእኩምልና ኣደ? ብቐጻሊ ሽሮ ተሸርሺርና።
- ስጋ ኢልኪ ሳምያ ጓለይ?
- ደሞዝ ምስ ጀመርኩ መዓልታዊ ስጋ ክንገዝእ ኢና።
- ከም እንዳ ኣቦይ ኖራይ? ንሳቶም መግቦም ክጥዕም! ንሕና ግን ወትሩ ሽሮ!
- ኣሰይ ‘ዛ ጓለይ! ደሞዝኪ ብዙሕ ሽግራት ክፈትሓልና’ዩ።

Scene 306 A
- ሰላም ወዓለይኩም!
- መርሓባ! ኣርሕብ ንቐደም በል!
- ድሃይ እንታይ ኣሎ? ድሃይ ካብ ዘይረክብ ደርጋ ካልኣይ ወርሐይ ገይረ።
- ኖራይ ድሕሬኻ ብርቱዕ ሕማም ሓሚሙ ነይሩ። ሕጂ ግን ድሓን ኣሎ።
- ኖራይ ገና ኣይሓወየን። ድሓር እዚ ሕማሙ ሕማም ጽላለ ኮይኑ ይስምዓኒ ኣሎ።
- እዋእ! እንታይ ጽላለኡ? ጸገም ኩሊት ኣጋጢሙዎ’ሞ ሰሚዕና።
- እዚ ሰብኣይ ሕማም ኩሊት የብሉ ሕማም ጉርንጉሪት የብሉ። ጠላም ኢዩ።
- እንታይ ትብል ጃብር? እንታይ ሓድሽ ነገር ተረኺቡ?
- እዚ ሕማም የብሉን እብለኪ ኣለኹ። ንዓና ከሕምም’ዩ። ሎሚ ዝገበሮ ኣይሰማዕክን
ዲኺ? ካብ ገዝኡ ኣባሪሩኒ።
- እንታይ ትብል? እንታይ ኣምሲሉ የባርረካ?
- ሓሚመ ከለኹ ኣይርኣኻንንዶ እንታይዶ ኢሉ ኣባሪሩኒ። ጸኒሑ ግን ነታ ናይ ልቡ
ኣውጺኡዋ።
- እንታይ’ያ ናይ ልቡ? ንዓኻትም’ውን ኣረኻኺቡልኩም?

Scene 306 B

- ኖራይ ሕጸን መርዓን ብሓንሳብ ክንገብሮ ኢና ኢሉ ኣንቂዱ ኣሎ።


- ኖራይ ምስ ሃብተመ መላኺ እንድዩ ኮይኑ ዘሎ።
- እዚ ሓውኹም በቲ ንሱ ዝሓሰቦ ጥራይ ምኻዱ ዘይትጸልኡ!
- ምሽኪናይ ኣዳላ ካብ ሓጥያቱ የድሕነና! ግን ከኣ ኣመና ብኖራይ ይምራሕ ኮይኑ።
- ጓል ካብ ቤት-ትምህርቲ ትውጻእ፡ ኣብ’ዚ ዘለናዮ ወርሒ ድማ መርዓ ክንገብር ኢና
ኢሉ።
- እዋእ! ንስኺኸ እንታይ በልኪ? ነታ ቈልዓ ካብ ምህሮ ኣውጺእኩማ ከይትኾኑ።
- ሰይጣን ሓፍትኻ ካብ ሰይጣን ኖራይ ይገድድ! ነዚ ባዕልኹም ዝወሰንኩሞ መርዓ
የለኹሉን ኢለዮም።
- ጽቡቕ ገበርኪዮም! ንስኺ’ውን’ኮ እንተምጽእኪስ ካብ ኖራይ ዝገደድኪ ኢኺ።
- እነ እንተምጺአ ካብ ኖራይ እገድድ። ንኣቦይ ረቢ ይርሓሞ! ንስኺ እንተምጽእኪ
ሞሲባ ኢኺ ይብለኒ ነይሩ።
- ኣነ’ውን ይብለኪ ኣሎኹ እዚ ኖራይ ስለገለለንን ዝሃደደንን እዚ መርዓ’ዚ ፋሕ
እንተዘየበልኩዎ ክትርኢ ኢኺ። ግና ከኣ ብሓይልን ብጎነጽን ዘይኮነ ብስልትን
ጥበብን።
- እንቋዕ ኣሰይ፣ ነዚ ተሓሲቡ ዘሎ መርዓ እንተፍሺልካ ዓቢ ሓገዝ ጌርካለይ። ሳብሪን
ጓልካ ድማ ካብ ሓደጋ ተገላጊላ ማለት’ዩ።
- እዚ መርዓ’ዚ ዝፈሽለሉ እንኮ መንገዲ ኣላ። ንሳ ድማ እታ ንብላ ዝነበርና መርዓ
ቀበልታ ኢያ። ማለት ንሱ’ውን ንመንሱራ ንመንሱር ወድኹም ይሃብኩም።
- ጽቡቕ ጌርካ ጃብር። ረቢ ይሓግዝካ!

- Scene ?
- በዚ ኮፍ በሉ ኣቦሓጎይ።
- ሰላም ወዓለይኩም እንዳ ኣዳላ!
- ዓለይኩም ወሰላም! መርሓባ!
- ጥዕናኹም ከመይ ኣለኹም?
- ማሽኣላ! ማሽኣላ ጽቡቕ ኣለና።
- እዋእ! እንታይ ድኣ ውጽኣ ኢልካየን ነተን ኣዋልድ።
- ደሓን’ዩ፣ ባዕለን ኢየን። ሎሚ ለይቲ ዘኪርናኩም ኔርና።
- ሎሚ ለይቲ ጥራይ? እቲ በላዒ ሰብኣይ ደንጉዩዶ ኢልኩም?
- ኣላ ኣቦይ መርከ! ንስኹም ቤተሰብኩም ክትርእዩ ኢኹም ትመጽኡ’ምበር ንመግቢ
መዓስ ትመጽኡ።
- ሓቅኻ ኣለኻ ኣዳላ ወደይ። ድሓር ዘመድን ቤተሰብን ምብጻሕ ረቢ ይፈትዎ’ዩ።
እዘን ዘይጠቕማ ወደይ ካብ ወጻኢ ዝሰደደለይ ሰናቲም ወርሓዊ ናብ ኣስመራ
የምጽኣኒ ኣለዋ። ግን ከኣ ንዓኹም ንምርኣይ ሓጊዘናኒ።
- ኣቦይ መርከ፡ ነዘን ገንዘብካ ሓንቲ መዓልቲ ናባና ወስ ዘይተብለን? ነዘን ኣዋልድና
ንጥራዝን ንምዝገባን ምሓገዛና ነይረን። (? ? ) መርከ
- እወ ሓቅኻ። ግናኸ ካብ ኣውቶቡስ ዝሓልፋ ኣይኮናን። ደሓር ድማ ዕዳ ኣጽኒሕና።
- ንጻወተኩም ኣለና ኣቦይ መርከ። ጸገማትኩም ንፈልጦ ኢና። ኣነ ናብ ስራሕ
ክኸይድ’የ። ኣዕርፍ።
- ጸላኢኻ ይኺድ! ድሓን ወዓል እዚ ወደይ!
- ኣቦይ መርከ! (? ? ?) መርከ
- ኣሃ?
- መግቢ ክሳብ ዝገብረልኩም ኣዕርፉ።
- ጽቡቕ፡ ጽቡቕ። ሰብኣይኪ ድማ ምስኪናይ ከይበልዔ ስራሕ ኣለኒ ኢሉ ከይዱ።
- ድሓን ኣቦይ መርከ። ንሱ በሊዑ’ዩ። (? ? ?) መርከ
- ጽንሒ፡ ጽንሒ፣ ተመሲሕኩም ዲኹም?
- እወ።
- ወይለይ! ንስኹም እንተተመሲሕኩም ድኣ ሎሚ ሽውሃተይ ተዓጽዩ’ዩ ዘሎ። ብዙሕ
ሸገርገር ኣይትበሊ። ቁሩብ ርግኦ ወይ ብራሕ እንተለኪ ግን ግዓት ጥራይ ምፈተንኩ
ነይረ።
- ኣላ ኣቦይ መርከ! (? ? ?) መርከ
- ካልእ መግቢ ግን...
- Scene 167
- ድሓንዶ ውዒልኩም?
- መርሓባ! መርሓባ!
- ዘገርም’ዩ! ደቂ-ኣንስትዮ ቀልጢፈን’የን ዝጉብዛ። ጓልኩም ድሕሪ ደጊም ጎርዞ
ኮይና’ያ ጎርዞ።
- ወዲኸ ኣቦይ መርከ? (? ? ?) መርከ
- ስምዒ ክነግረኪ፡ ጓል ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ክንዲ ዓኾር ገመል ትወስኽ ኢሎሞ።
ወዲ ድማ ክንዲ ዓኾር ጤል። ንሳ’ውን ትማቐሎ ኢሎም። (? ? ?)
- ኣቦይ መርከ፡ እዚ ሎሚ ንሰምዖ ኣለና።
- ንሳኸ ምህሮ ኣይወድኤትን? ትምህርቲ ንደቂ-ኣንስትዮ ጸገም ኢዩ። እንታይ በዲላ
ናብ ቤት-ትምህርቲ ኮለል ተብሉዋ? ክተዕርፍ ዘይትገድፉዋ።
- ገና 10 ይ ክፍሊ ትመሃር ኣላ። ኣይወድኤትን።
- 10 ይ ክፍሊ!? በቃ! ድሕሪ ደጊም ይኣኽላ። ኣመርዕውዋ ጥራይ።
- መርዓ ትምህርታ ምስወድኤት ተርክበሉ። ድሓር እዚ ዘረባታት’ዚ ኔው በሉዎ!
እንተሰሚዓቶ ክትኩሪ’ያ።
- ንጓል-ኣንስተይቲ ካብ ትምህርቲ መርዓ’ዩ ዝሕሻ። ድሓር እንታይ ዝጠቅም
ትምህርቲ’ዩ! መርዓ’ዩ ዝጠቅም መርዓ!
- ንሳብሪን ጓለይ ትምህርትኺ ግደፊ ዝብላ ጸላኢኣ’ዩ። ሕጂ ከይትሰምዓኩም ኣቦይ
መርከ፣ ስቕ በሉ። (? ? ?) መርከ
- ድሓን፣ ግን እቲ እትምርዓዎ ሰብኣይ ከምኣ ምሁር እንተዘይኮይኑ ሰላም ትህቦዶ
ትብሉ?
- እንታይ ክትብሎ ድኣ?! ድሓር ከኣ ምናልባሽ ንዓኣ ዝመስል ምሁር ትምርዖ
ትኸውን። ሕጂ ኣቦይ መርከ በጃኹም ስቕ በሉ። ነዚታት ንሓብኣላ ኢና። (? ? ?)
መርከ
- እንታይ’ዩ ካባይ ዝሕባእ?
- ንኣቦኺ መርከ እታ ጋስትራይቱ ኣሸጊረቶ’ሞ ቁሩብ ካብ’ቲ ናይ ሳምያ ጸባ ሂብናዮ።
ንሳ ከይትሰምዓና ኢልና ኢና።
- ራየት ጓለይ፡ ጸባ ኣትሪፉ እንተሎ ኣምጽእለይ። እስተሞኮይ ክሳብ ሕጂ
ኣይገደፈትንን።
- ኣላ ኣቦይ መርከ። (? ? ?) መርከ
- Scene 316
- ሳብሪን፡ ድሕሪ ደጊም ሳንጣኺ ኣውርድያ።
- ኣነ ክመሃር’የ ኣቦ።
- ካብ ሎሚ ንድሓር ትምህርቲ የለን። ከም’ዚ ኢልኪ ክትምርዓዊ ኣይኮንክን።
- ኣነ ኣይምርዖን’የ ኣቦ። ትምህርተይ ክቕጽል’የ።
- ኣዴኺኸ ኣበይ ኣላ?
- እንታይ ፈሊጠ! ንሳምያ ክተምጽኣ ከይዳ ትኸውን።
- ኪዲ እብለኪ ኣለኹ። ድሕሪ ደጊም ትምህርቲ ዝብሃል የለን።
- ኣቦ በጃኻ ክፈተኒ! በጃኻ ክፈተኒ ይባ!
- ሳብሪን! ሳብሪን! እንታይ ኰንኪ ሳብሪን?
- ክፈትኒ ኣደ! ክፈትኒ!
- ቅድሜኺ ይስጥሓኒ! ሳብሪን እንታይ ኰንኪ? ኣባይኪ! እንታይ ኮይንኪ?
- ኣቦይ ንትምህርቲ ከይከይድ ዓጽዩኒ።
- ኣብ’ዚ ተባጺሕና? ድሓን ክንርኤኤ ኢና!
- በቃ! ሕጂ ንትምህርቲ ክኸይድ’የ።
- ከም’ዚ ኢልኪ ኣይትኸድን ኢኺ። ግዜ’ውን ከይዱ’ዩ።

- Scene 308
- ሳብሪን፡ በቃ ክትምርዓዊ ኢኺ።
- ኣቦ፡ ኣነ ንመርዓ ኢለ ካብ ትምህርቲ ኣይቦኩርን’የ።
- መነባብሮኻ ክተመሓይሽን ካብ ድኽነት ክተገላግለካ እናመነየትን ካብ ትምህርቲ
ትኽልክላ?
- እወ፣ ካብ ትምህርቲ ትወጻእ እብል ኣለኹ። ድሓር ነዛ ጓል ባዕልኺ ኢኺ መርዓ ከም
ትኣቢ ትገብርያ ዘለኺ።
- ኣደይ ዝገበረቶ የብላን። ወይ ትምህርቲ ወይ ሞት!
- እወ፡ ሰሚዕካያዶ? ንሓውኻ ክተሐጉስ ክትብል ንጓለይ ክትቀትል? ኣነ ምስ ጓለይ
ኣለኹ። ቀደም ዝገበርኩሞ ይኣክል።
- ኣዑዝብላሂ ምን ሸይጣን ኣረጂም! ያ ጀማዓ እዚ እንታይ’ዩ?
- ዘረባና እዛ ዝሰምዕካያ’ያ በቃ!
- እዛ ጓል ናብ ቤት-ትምህርቲ ተንከስ እንተኢላ ክትርእያኒ ኢኽን።
- ድሓን ንርኢ።
- Scene 310
- ብሰንክኹም’ዩ። መርዓ ድማ ብዘይ ድልየት ኣይከውንን’ዩ፡
- ኖኖእ! ጠንቂ ኣነ ኣይኮንኩን፣ ንስኺ ኢኺ።
- ኣቦ እንታይ ድኣ ቃልኩም ዓጺፍኩም? እንታይ ትብሉኒ ኔርኩም?
- ሳብሪን ጓለይ፡ ሕጂ’ሞ ንኣቦኺ ኖራይ መርዓ ኣብያ ክንብሎ?
- ሕጂ ኣብ መጻውድያ መርዓ እንተኣትየ’ሞ ከመይ ገይረ ክመሃር እኽእል?
- ኣባይኪ ሳብሪን ጓለይ! ንሕና እንታይ ንግበር ኢልክና? መርዓ ብዘይ ድልየት፡ መርዓ
ትሕቲ ዕድመ፡ ምውጻእ ካብ ትምህርቲ! ኩሉ ካብ ሓድሕዱ ገዲዱና ኣሎ።
- ኣቲ ሰበይቲ ክንዲ ትጥብርያን ትምዕድያን ምስኣ ኰንኪ መርዓ ከምትሕሰም
ትገብርያ? ዘይትጥብርያ?
- Scene 313
- ኣቦ ጽቡቕ ጌርኩም? እዚ’ዩ ነይሩ ትምኒተይ? በቃ ድሕሪት መሊስኩምኒ።
- ድሕሪት ኣይተመለስክን ‘ዛ ጓለይ። ምስ ተመርዓኺ ትምሃሪ። ጀማል ባዕሉ
ከምህረኪ’ዩ።
- ኣቦ፡ ጀማል ጀማል ኣይትበሉኒ!
- ዘገርም’ዩ! ሰብ ብናይ ሓደ ሰብ ርእይቶ ይምራሕ?
- ኣቲ ጓል ንሕና ንዓኺ ዝሓይሽ ኢና መሪጽና። ካብ ጀማል ዝሓይሽ ሰብኣይ ኣበይ
ክትረኽቢ?
- ኖራይ ስለዘብለዓኩም ኢኹም ከየገናዘብኩም ሕራይ ኢልኩሞ።
- ኖራይ ንበይነይ ኣብሊዑኒ? ሃብቱ በሓንሰብ ንበልዖ ኣይነበርናን ዲና? መርዚ ብልዒ!
- እቲ ዝህበና ዝነበረ ንሳብሪን ምእንቲ ክረክብ ምዃኑ እንተዝርድኣኒ
ኣይምተቐበልኩዎን፣ብሕብንተይ ከኣ ምተረፍኩ።
- ኩሉ’ቲ ዝሃበና ምለሱሉ። እታ ብሽክሌትኡ ሃቡዎ። ነዚ’ዩ ህያባት ዝህበኒ ዝነበረ?
ትምህርተይ ክቕጽል’የ ኣነ።
- ኣቲ ጓል ስቕ በሊ! ዘረባ ኣይትግበሪ።
- እዚ ኮይኑ ዕድለይ? ኣሕ!
- ሳብሪን! ሳብሪን! ኣቲ ሳብሪን!
- Scene 214
- ክድቅስዶ ወይስ ድራር ከናዲ?
- ዘይሽሮ ኢዩ ዝኸውን፣ ድቃስ ይሕሸኒ።
- እዛ ተካል ከብዲ ኣይተደቅንኒን’ያ። ኣብ’ቲ እነሃለ እቲ ድስቲ…
- ኣነ’የ መንሱር’የ ኣደ!
- መንሱር መጺእካ? ተደረር በል።
-
Scene 214

- እዘን ኣንስቲ ሎሚ ገዛ ብክፉቱ ገዲፈን ናበይ ኣቢለን?


- ኣቦ
- ዱም! ብስ! ጀር እንታይ ክትገብሪ ትሕቲ ዓራት ኣቲኺ? (? ? ?)
- ኣቚሑ ከመዓራሪ ጸኒሔ ኣቦ። ዘይንሱ’ዩ መኻዚኖና።
- ኣብ ትሕቲ ዓራት ንብረት እናኣቐመጥክን ንብረትና ኣጥፊእክን ኣትን!
- እሞ እንታይ ክንገብር? ጽበት ገዛ’ዩ’ኮ እቲ ጸገም።
- ስቕ ኢልኪ ኢኺ! ያላ ማይ ኣስትይና!

- Scene 262
- እታ ኣብሪቕ ኣብቲ ሸቓቕ ኣላዶ?
- እወ፣ ኣብኡ ኣላ። ማይ’ውን ኣለዋ።
- ኣደ!
- ሃቢ እስኪ እታ ሪሞት!
- መንሱራይ ሓወይ፡ እዛ ፊልም ክውድኣ ዘይትገድፈኒ?
- ስቕ በሊ እስኪ! ኩዕሶ ይሓልፈና ኣሎ።
- ኣታ በዳን ፈሊጠካ ኣለኹ። ንዒቕካኒ ሙሽ ንዓይ? ድሓን! ንበዓል ሳብሪን ሓፍተይ
ግን ከምኡ ኣይትገብረንን ኢኻ።
- መንሱራይ!
- ኣሃ?
- እታ ቴለቪዥን ኔው በላ። ኣቦኻ ሮመዳን ምሳኻ ከዕልል መጺኡ ኣሎ።
- ሓንሳብ! ኩዕሶ ይሓልፈኒ ኣሎ።
- Scene
- ኣቦይ ሮመዳን ከመይ ኣለኻ?
- ንስኺ ኪዲ።
- እንታይ ድኣ ሎምስ ኮሪኺ ሳብሪን?
- ባዕለይ እየ። (? ? ?)
-
- ሓቃ ኢያ፣ ብሽክሌታን ሽልማትን እንድዩ ዝህባ ነይሩ። ምስኪናይ መንሱር ግን
በዘይካ ጸርፍን መግናሕትን እንታይ ርእዩሉ።
- ሕጂ ናብ ኣስቢዳለ ኬድካ ዘይትርእዮ ድራረይ።

- ‘ሕማቕ! ዘይረብሕ!’ እናበለኒ ክበጽሖ? ድሓር ድማ እታ ርግምቲ ጓሉ ምስኡ


እንድያ ዘላ።
- ንስኻን መንሱራን ድሙን ኣንጭዋን ኰንኩም።

- ኔው በልያ! ሓሳዊት መበጻጽሒት! ኣነ ነዛ ጓል እዚኣ ክርኢ እንከለኹ ስብርብር


ኣብላ’ዩ ዝመጽኣኒ።
- እዚ ዘረባታት’ዚ ግደፍዎ። ንስኺ ሳምያ ድማ ቴለፍዥን ኣትሕትያ።

- ሎሚ ምሳኻ ከዕልል መጺኤ ኣለኹ መንሱር ወደይ።

- ጽቡቕ! ስምዓዮ መንሱራይ። ኣቦኻ ሮመዳን ደላይ ጽቡቕና ኢዩ።

- ስምዓኒ መንሱር ወደይ፡ ንስኻ ንፉዕ ኢኻ። ነዚ ኣቦኻን ነዘን ኣሓትካን ርኤ። ስራሕ
ሰብኣይ ስራሕ። ነዚ ኣቦኻ እስከ ርኣዮ። ንዓኹም ከዕቢ በዛ ብሽክሌትኡ ኣብ ትሕቲ
ሰብ ይሰርሕ ኣሎ።
- እወ መንሱራይ፣ ኣቦኻ ሮመዳን ደላይ ጽቡቕካ ስለዝኾነ ኢዩ።

- ሕጂ ኣብ ስራሕ ሞያ ጋራጅ ከእትወካ እየ። ንሓደ ዓርከይ ክነግረልካ እየ፣ ሕራይ?

- ሕራይ ኣቦይ ሮመዳን። ስራሕ እንተረኺብካለይ እሰርሕ።

- በቃ! ግርም ተረዳዲእና ኣለና።


- Scene 300
- እንታይ ንግበር? ሎም-ዘበን ኣብ ዓቢ ፈተነ ኢና ኣቲና ዘለና።

- ዋላ ሓደ ፈተነ የለን። እንተልዩ ድማ ብኢሂን ምሂን ይፍታሕ’ዩ። ሳብሪን ከኣ ገና


ኣብ መርዓ ኣይበጽሐትን።
- ሳብሪን ጓለይ ብዘይካ ጥራዝን ርሳስን ሓንቲ ዘይትፈልጥ! ሕጂ ብዛዕባ መርዓ
እንተ’ልዒልናላ እንታይ ክትብል ኢያ?
- ክንግድዳ ኢና። ቅድሚ ሕጂ’ውን ኣዋልድ ብግዲ ይምርዓዋ ነይረን እንድየን።
- ብግዲ ክነመርዕዋ ኢና ኢልካ ኣዳላ? ግዴታ ጎነጽ’ዩ ዝወልድ። ጎነጽ ድማ ገበን
የስዕብ።
- ብዘይ ድልየት ዝፍጸም መርዓ ጸገም’ዩ። ንኖሪት ጓለይ ኣዋሪዱዋ ዘሎስ ዘይንሱ
ኢዩ።
- ሕጂ ንስኺ እንታይ ውሑድን ብዙሕን ትዛረቢ ኣለኺ? ሳብሪን ኣይትምርዖን’ያ
ትብሊ ኣለኺ?
- እወ! ጓለይ ብዘይ ድልየታ ሎሚ ኣይትምርዖ ጽባሕ ኣይትምርዖ እብል ኣለኹ።

- ኣዳላ ኣይትጋገ። ካብ ድልየት ሰበይትኻን ጓልካን ኣይትውጻእ። ንምንታይ ደድሕሪ


ኖራይ ኮለል ትብል ኣለኻ? ኖራይ ዝብላ ቅንዕቲ፡ ራየት እትብላ ድማ ጌጋ’ያ
ኣይትበል።
- እወ፣ ቃለይ ክስማዕ ኣለዎ። ኣነ ንጓለይ ንትምህርቲ እየ ዘገድዳ’ምበር ንመርዓ
ኣየገድዳን’የ።
- ኣቱም ሰባት፡ እዚ ትብልዎ ዘለኹም ስግንጢር’ዩ። ኣይከውንን ኢዩ።

- ጓልካ ትምህርተይ ክቕጽል እናበለት መርዓ!? መርዓ ብመርዑኡ ድማ ኣብ’ዚ


ዕድመ’ዚ? ግዱድ መርዓን እዚ ትብሎ ዘለኻን’ዩ ስግንጢር!
- Scene 336
- ሳብሪን ጓለይ፡ ክሳብ መዓስ ኢኺ ከም’ዚ ኢልኪ ብዘይ መግብን ማይን ክትጸንሒ?

- እንታይ ትኾኒ ኣለኺ?

- እንታይከ ዘይኮንኩ ኣደይ! ዕድለይ ቆጺኹሞ።

- ሳብሪን፡ መግቢ ልኸፊ። በቃ፣ ሕጂ ዝግበር ነገር የለን። መርዓ ኣትዩ’ዩ።

- ትምህርቲ ኣቋሪጸ መርዓ?

- ቅድሚ ዝኣገረ ነብስኺ ኣይትወጽዒ። ትምህርቲ ድሕሪ መርዓ’ውን ክቕጽል ይኽእል


እንድዩ።
- ኣደ፡ ዘይከውን እስኪ ኣይትዛረቢ። መርዓን ትምህርትን ከመይ ገይሩ’ዩ ብሓንሳብ
ዝኸውን?
- ከመይ ገይሩኸ ዘይከውን ሳብሪን? ተመርዕየን ከለዋ ይመሃራዶ የለዋን?!
- ማሸኣላ ወትባረካላ! ማሸኣላ! ጽቡቕ ርኢና!

- እንታይ ኰንኪ ሳብሪን ጓለይ? እንታይ ድኣ እዝንኺ ሒዝኪ? ዕልልታ ብስራት ተስፋ
እንድዩ!
- ንዓይ ግን ብስራት ዘይኮነ መርድእ’ዩ።

- ድሓን ከይደ። ክምለስ’የ።

- መርሓባ! ድሓን ውዓሊ!


- Scene 348
- እንታይ ድኣ እዚ መርዓኹም ዝሒሉ? እንታይ ተረኺቡ?

- ክንገብሮ ኢና። ኣብ ከተማ ክትገብሮ ግን ብርቱዕ’ዩ።


ከም ዝገበርካዮ’ዩ’ኮ ዝኸውን። እንተ’ጽቢብካዮ ይጸብብ፡ እንተ’ግፊሕካዮ ድማ
ይገፍሕ።
- ከም’ቲ ነፋዕ ኣብ መስጊድ ዝገበሮ ይሓይሽ ‘መስለካ? (? ? ?)

- ንዕኡ’ውን ርኢናዮ ኢና። ኩሉ ሓደ’ዩ።

- ብኸመይ?

- በዚ ቶርታታት፡ በቲ ስእልታት፡ በቲ ድማ ባህሊ። ኩሉ ከቢድ’ዩ። (? ? ?) ባንድ

- እሞ ከም’ዚ ናትና ይሓይሽ።

- እወ፣ ከምኡ ይሓይሽ። ከምኡ ግበር።

- እዚ ኖራይ ሓወይ ሎም-ዘበን ነዚ መርዓ ኣውጺኡዎ ዘሎ ገንዘብ ብዙሕ’ዩ ብዙሕ!

- ብዛዕብኡ ኣይትሰከፍ። ባዕሉ ስለዝመደቦ ባዕሉ ይውጽኣዮ።

- ካብ ኩሉ ሳብሪን ተማሂረ ክሕግዘኩም እናበለት ንመርዓ ገዲድናያ።

- ድሓን ኣዳላ። ዳሕራዩ የጸብቆ!

- መንፍዓታን ናይ ትምህርቲ ድልየታን ብሓቂ የተሓሳስበኒ ኣሎ። ከብደይ ትበልዓኒ


ኣላ።
- ኣዳላ እንታይ ትኸውን ኣለኻ? ዝሓለፈ ሓሊፉ’ዩ፣ ሕጂ ንድሕሪት ኣይትመለስ።
ጣዕሳ ዋላ ሓንቲ ኣይመልስን ኢዩ።
- ጣዕሳ ኔው በሎ።

- ሓቅኻ ኢኻ። ጣዕሳ ዋላ ሓንቲ ኣይመልስን’ዩ።

- ኖራይ እናኾብከበና፡ ንሕና ድማ እናተኾብከብና!

- ማዕሌሽ! ዝኸውን ኮይኑ’ዩ። ጸገም የለን።


- Scene 332
- ሕጂ ነቶም ቈልዑ ጥራይ ኣርሕቑልና።

- ቈልዑ ኣይመጽኡኻን ኢዮም ኣቦይ መርከ።

- ጽቡቕ ጌርኩም። ቈልዑ ምስ ጋሻ ክቕረቡቡ የብሎምን። ሕማቕ ጠባይ’ዩ


ዘልምዶም። ድሓን፣ እንታይ ድኣ ነዛ ግዓት ብዘይ ጸብሒ ቀሪብኩምልና።
- ትዕግስቲ ግበሩ ኣቦይ መርከ፣ ጸብሒ ይመጽእ ኣሎ። ድሓር ጽጋብ ብበመስመኣብ
ይፍልም ብተመስገን ድማ ይዛዘም። (? ? ?) መርከ/መርኬ
- ብስምላህ!

- ብልዑ ኣቦይ መርከ። (? ? ?)

- እበልዕ ኣለኹ። ነዛ ክንዲ ጎቦ ትኸውን ግዓት ከኣ ንበይነይ ኣይውደኣን’የ። ምሳይ


ብላዕ።
- ኣይፋለይን፡ ይኣኽለኒ፣ በርበረ እንተበሊዔ ጋስትራይት ክሓምም’የ።

- እንታይ ዓይነት ሕማም ኢዩ ጸባን ጠስምን ዝጸልእ?

- ነቲ ቈልዓ ካብ’ቲ ጸሓይ የእትውዮ። ጸባ ድማ በጽብጽሉ።

- እዚ ትብሎ ዘለኻ ቈልዓ ወዲ መን’ዩ?

- ምስኪናነይ ኣዲኡ ምሳና ገዲፋቶ ከይዳ ኣላ።

- ከም’ዚ ዓይነት በላዒት ሰበይቲ ኔው በላ! ካልእ ገዛ ስኢና ድያ ንሳን ወዳን ኣብ’ዛ
ጸባብ ገዛ ትመጽኣኩም? (? ? ?)
- ክተሸግረና ኢላ ኣይኮነትን መጺኣትና። ዘጽንሓላ ስለዝሰኣነት’ያ። ንሕና ድማ
ጎረቤት እንዲና!...
- ነቲ ቈልዓ ካብ’ቲ ዘምጸእኩዎ ጸባ’ስከ በጽብጽሉ። ብዙሕ ኣይተሕፍስሉ ከኣ፣ ቈልዓ
እንድዩ!...
- እቲ ትብልዎ ዘለኹም ጸባ ዳርጋ ተውዲኡ’ዩ። እንተኣኺሉዎስ ሕራይ።

- ጸባ ኢልኩም ጸባ ኣዘኪርኩምኒ። ንዓይ’ውን ካብ’ቲ ናይ ቈልዓ ጸባ ምቐሉኒ። ካብ’ቲ


ቈልዓ ንላዕሊ ንዓይ ከፊኡኒ ኣሎ። ብሰንኪ እዚ ዝቐረብኩምለይ በርበረ
ጋስትራይተይ ተላዒላትኒ።
- ሰሚዕናኩም ኣለና ኣቦይ መርከ። (? ? ?) መርከ

- ካብ’ቶም ንኣሽቱ ንሕና እቶም ዓበይቲ ሰኒፍና ኣለና። ጸባ ኣዘኪርኩምኒ። ንኣሽቱ


ከለና ጸባ ብኩባያ ዘይኮነ ብጓጉድ’የ ዝሕንፍፎ ነይረ። ኣዘኪርኩምና።
- ብስምላህ በሉ። ካብ ናይ’ቲ ቈልዓ መቒልናኩም ኣለና።

- ወዲ ኣይተ! እንታይ ድኣ ብማይ ጀሊሕኩሞ? ምስኪናይ ቈልዓ ኣይዛረብን’ዩ


ኢልኩም ብማይ ትቕሽሽዎ? ሕማቕ ጌርኩም! ሓጥያት እዚ ቈልዓ ኣይገድፈኩምን
ኢዩ። እንኪ ኣሕፍስለይ፣ ቁሩብ ወስኽሉ።
- ተኻዕዩ፣ በቃ! እዚኤን ናይ መወዳእታ’የን ነይረን። ሕጂ ጸባ የለን።

- ሕማቕ ጌርኩም። ጸባ ተደፊኡ ኢልኩም ሱቕ ክትብሉ!? ብበርበረ ቀቲልኩምና።

- ኣቦይ መርከ፡ በስመ ኣብ ዘይፈልጥ ተመስገን ኣይብልን’ዩ ይብሃል! (? ? ?) መርከ

- ኣዳላ፡ እዚ መርዓኹም እንታይ ኮይኑ’ዩ ኩሉ ሰብ ብኡኡ ዝዛረብ ዘሎ?

- ኣቦይ መርከ ዶብ ትሰግሩ ኣለኹም። (? ? ?) መርከ

- ኣነ ዶብ ኣይሰገርኩን። እዚ ኩሉ ጸገም ብሰንክኺ’ዩ ኢሎሞ። ንጓልኪ ወዲ ኖራይ


እንተዘይተመርዕዩዋ መን ክምርዓዋ ትደልዪ ኣለኺ?
- ገጽካ ይርሓቕ! በላዒ ዎበላዒ! በሊዕካን ሰቲኻን ስቕ ኢልካ ዘይትኸይድ? ሎምስ ከኣ
ናይ ኖራይ ልኡኽ ኰንካ መጺእካና?
- ሓቁ ኢዩ ኣቦይ መርከ። እቲ ጸገም ንስኺ ኢኺ። እቲ መርዓ ግን ክፍጸም’ዩ።

- ሓቁ’ዩ ኢልኩም? ድሓን፣ መርዓ ግዴታ የናብር እንተኾይኑ ንርእዮ።


- Scene 349
- ሰዲዶምኺ?

- እንታይ ክሰድዱኒ ድኣ! ኣቦይ ኖራይ እና’ንጸርጸረ ባዕለይ’የ ገዲፈዮም መጺኤ።


- ኣቦኺ ኖራይ እንታይ ይእውደኪ? ሰይቲ ወዱ’ምበር መዓስ ሰበይቱ ኰንኪ! እዚ
ምልኪ እዚ ክሳብ መዓስ’ዩ?
- ኩሎም ብፍቓዱ ኢዮም ዝኣትውን ዝወጽኡን፣ ብፍቓዱ ዘይትኸይድ እታ ስዲ ጓሉ
ጥራይ’ያ።
- መንሱራ ኢልኪ? እቲኣ ድኣ ጽልልቲ እንድያ። ንመን ትሰምዕ?

- ጽልልቲ እንተበሉኺኸ! ኣነን ንሳን ደርጋ ተባቲኽና ኢና።

- ኣሞኺ ዶንክኸ እንታይ ትብል ኣላ?

- ንሳ እትብሎ እንተትሰምዕዮ ምገረመኪ።

- ኮፍ በሊ ሳቡ።
- Scene 351
- እቲ ወረ ካበይ ከምዝረኸበቶ፡ ‘መንሱር ንመንሱራ ክምርዓዋ’ዩ ኢሎሞ፣ እዚ
ሃላይ’ዚ ከመይ ገይሩ ንጓለይ ይምርዓዋ?’ ኢላ ጸርጸር ትብል ነይራ።
- ንመንሱር ወደይ ሃላይ ኢላቶ? እዛ መበጻጽሒት፣ ክፍእቲ፣ ግናይ! ጽንሒ ጥራይ
ክትርእየኒ ኢያ።
- እዚ ዕዋላ ከመይ ገይሩ ንጓለይ ይምርዓዋ ኢላ ላዕልን ታሕትን ትብል ነይራ።

- ኣሃ! ዘገርም ኢዩ። ንሳቶም ከም ድላዮም ክሕጸዩን ክምርዓውን፡ ንሕና ከኣ ዋጋ


ዘይብልና ኰንና ክንተርፍ! ድሓን፣ ንሳቶም ክቡራት፡ ንሕና ድማ ሕሱራት
እንተዀንና ክንርኤኤ ኢና።
- ኣነ’ውን እዞም ንሓወይ ዘቆናጽቡ ዘለው ጽባሕ ናብ ገዝኦም ምስኣተኹ እንታይ
ክገብሩ ምዃኖም ይርኣየኒ ኣሎ።
- በቃ! ንሳ ኢያ። መውስቦኦም ይትረፈና።

- ቅድሚ ሕጂ ዝሃብናዮም ኖሪት ጓልና’ውን የጣዕሰና ኣሎ።

- ኣደ፡ ሳላ መንሱር ሓወይ ካብ’ዚ ዘለኹዎ ጭንቀት ክገላገል’የ ማለት ድዩ?

- ንሕና ጓልና ኣይንህብ፡ መንሱር ንመንሱራ ኣይምርዓዋ!


- Scene 339
- እንታይ ተርእዩና ኣለኹም? ስቕ ኢልካዶ መርዓ ይፍጸም’ዩ?
- እንታይ ትብሊ ኣለኺ? ኣቲ ሰበይቲ ሰላም ኣይትህብናን?

- እዚ ናብ ገዛና ዝጓረት ዘሎ ኣስቤዛ ናይ ምንታይ’ዩ?

- እዚ ኣስቤዛ’ዚ ንመርዓ ሳብሪን ጓልኪ’ዩ። ኖራይ ይሕግዘና ኣሎ።

- ሓገዙ ይትረፈና! ንስኻን ሓውኻን ነቲ ዝበልናኩም እንተዘይጌርኩም ድማ ኣነን


ጓለይን ምሳኹም የለናን!
- እንታይ ዲኺ ኢልክና ኔርኪ?

- እቲ ኣቐዲመ ዝበልኩኹም! ኖራይ መንሱራ ጓሉ ንመንሱር ወድና ይሃበና።

- ድሓን፡ ድሓን፣ ሕጂ መርዓ ኣኺሉ ኢዩ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ድማ ኣብ ብኸም’ዚታት


ክንዛረብ ኣይኮንናን።
- ቆጸራ መርዓ ኣብ ኢድና’ዩ። ንስኻን ሓውኻን ነቲ ዝጠለብናዮ
እንተዘይኣማሊእኩም ጓለይ ኣይህብን’የ።
- እንታይ ዓይነት ሰበይቲ ኢያ! ድሓን፡ ድሓን ክንገብሮ ኢና።
- Scene 326
- ወላሂ እዚ ኖራይ ክንድ’ቲ ዝገበረልና ጽቡቕ ሕጂ ቀቲሉና!

- ኖራይ ይኹን ካልእ ብዕድል ጓልና ኣይንጻወት።

- ኖራይ እንተዘይከውን ቃልና ኣብ ኣፍና’ዩ ነይሩ። ሕጂ ዘይትሕግዝና?

- እንታይ ትብል ኣለኻ? ንሳብሪን ብሓይሊ ተመርዓዊ ኢለ ክግድዳ ትደሊ ኣለኻ?

- እወ ንግድዳ! ጓልና እንድያ።

- እዚ ብመሰረቱ ኣይከውንን’ዩ። ድሓር ከኣ እንታይ ኣፈርክቡ ኣጓኒፉና።

- ሕጂ ኖራይ እዚ ኩሉ ገንዘብ ከሲሩ መርዓ ፈሺሉ እንተኢልናዮ ምስ ኩነታት ጥዕንኡ


ከመይ ክኸውን’ዩ?
- ኣነ ኣይግድሰንን’ዩ። ጓለይ ኣብ መጻወድያ ኣየእትዋን’የ። ልዕሊ ኩሉ ድማ መርዓ
ትሕቲ ዕድመ ገበን ኢዩ።
- እሞ እንታይ ትብሊ ኣለኺ? ጓልና መርዓ ኣብያ ንበሎ?

- እንተበልናዮኸ ይኣምነናዶ?
- ጓለይ ትምህርታ ከይወድአትን ኣብ ዕድመ መርዓ ከይበጽሐት ኣይትምርዖን’ያ።
ክሳብ ሽዑ እጸንሕ እንተኢሉ መርሓባ! እንተዘይኮነ ድማ ጻዕዳ ይጽንሓዮ።
- እንታይ መዓቱ’ዩ? ኩሉ ካብ ሓድሕዱ ዝገደደ?!
- Scene 329
- ካብ’ዛ ጓል ንስኺ ገዲድክኒ።

- ንስኹም ርህራሀ የብልኩምን። ነዛ ጓል ኣይትድንግጹላን ዲኹም?

- ኣነ ርህራሀ የብላለይን? ስለዝራህረሃኩላ እንድየ ዝበለጸ ሰብኣይ መሪጸ ዘርመዕዋ


ዘለኹ።
- ኣቦ፡ ርህራሄ እዚ መርዓ’ዚ እንተኾይኑ ይትረፈኒ።

- ኣቦኺ ኖራይ ስለዝፈተወኪ’ዩ ንውላዱ መሪጹኪ።

- እዚ ፍትወት ኣይኮነን፣ ኣስገዳድ’ዩ።

- ኣቲ ሰበይቲ ኣደብ ግበሪ! እንታይ’የ በዲለኪ?

- ‘ዝብኢ ምስበልዓኪ ስሓቒ!’ ኢላ ኢሎም። እዚ ናትካን ናይ ሓውኻን መርዓታት


ዳሕራዩ የጸብቆ!
- ንስኺ ጥራይ ስቕ በሊ። ካብ’ዚ ዕድል’ዚ ዝጽብቕ የለን።
- Scene 397
- ኣዳላ!

- ኣታ ሓሳዊ መበጻጽሒ!

- ኣታ እንታይ ኢኻ ኰንካ? እንታይ ሰይጣኑ’ዩ ሰሪሩካ? ንልዝብ ንመጽእ ኣለና።


(? ? ?)
- ንስኻ ሰይጣን ኢኻ። ምሳኻ ልዝብ የብለይ ዘረባን!

- ስማዕ፡ ክብረተይ ኣይትተንክፍ። ኣደብ ግበር! ንሕና ንጽቡቕ ንመጽኣካ ንስኻ ኸኣ


ብሁከት ትቕበለና?
- ዝባን ሕጊ ካብ ዘለኻዮ ተንከስ ከይትብል! ምስ ሓወይን ስድራይን ኣብ ጸገም
ዘእተኸኒ ንስኻ ኢኻ።
- እንሸኣላ ንስኻን ሓውኻን ሓዊ ይኣትወኩም! ገዲፍናካ ኣለና።
- ንዓይን ንኖራይ ሓወይን ናብ’ዚ ኩሉ ጸገም ዘእተኻና ንስኻ ኢኻ።

- ኣሃ! ተባኢስኩም በለኒ? ብቐደሙ’ውን ምስ ኣሕዋቱ ስምምዕ ዘይብሉ ሰብ


መጠረሽትኡ ከም’ዚ’ዩ ዝኸውን።
- ኣሃ! ትላገጽ ኣለኻ ሙሽ? ሰይጣን! ኣብ ዘይጸገምና ከእትወና’ዩ።
- Scene 387/388
- Scene 337
- እቲ ሽኮር ወሪዱ?

- እወ፡ ኩሉ ኣቚሑ ኣውሪድናዮ ኢና።

- ሎም-ዘበን እዚ ኖራይ ሓወይ ከቢድ ጾር ጸይሩ ኣሎ።

- ከቢድ ጾር ይራይ ኢልካ? ሓላፍነት እንዳ ወድን ጓልን እንድዩ ተሰኪሙ ዘሎ።

- እወ!

- ኩሉ ወሪዱ እንድዩ?

- እወ፣ ድስትታትን ሽሓኒታትን ጥራይ ተሪፉ ኣሎ።

- ድሓን፡ ድስትታትን ሽሓኒታትን ምስ’ቲ ካልእ ኣቚሑ ሒዘዩ ክመጽእ’የ።

- በቃ! ሕጂ ኩሉ ነገር ተዳልዩ ኢዩ።

- በቃ! ኣጣል ተዳልየን ኣለዋ። ጃብር ሓውኻ ገለ ሒዙ እንተመጺኡ ድማ ነገር


ተወዲኡ።
- ጃብር ጤል እናጎተተ ክመጽእ?! በትሪ እና’ወጣወጠ ከይመጽእ ፍራሕ።

- ስምሓን ኣላ! እንታይ ኮይኑ?

- ጃብር መርዓት ዘይተዋህበ ብጤል ክመጽእ ክንጽበ? (? ? ?)

- ንዑናይ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ኣቚሑ ነራግፍ።


- Scene 364
- ኣሕ! ጃብር ተጻዊቱልና! ነታ ጓል ባዕሉ ኣህዲሙዋ ኣሎ።

- ኖራይ በስመኣብ በል። ጃብር እንታይ ገይሩ? ጃብር የለን። ቅድሚ ሰሙን ደቁ ክርኢ
ገይሹ ኢዩ።
- ንስኻ ንርእስኻ ከም ሰይጣን መዓስ ደበኽ ኢልካና። ንስኻን ንሱን ምምጻኣኩም
ኣይፍለጥ ምኻድኩም! (? ? ?)
- ኣነ ነቲ ወረ ምስሰማዕኩ እዚታት ምእንቲ ከይርከብ ክዓርቀኩም ኢለ ስሔይ
ገዲፈ’የ መጺኤ። ካብ ዝፈራሕኩዎ ግን ኣይወጻእኩን። ሕጂዶ ይሓይሽ ጓልና
ኣጥፊእኩም?
- ንሕና’ውን ግደፉ ኢልናኩም ኔርና ኢና። ግን ዘረባና ኣይሰማዕኩምን ያጀማዓ።

- ኣታ ሳልም ኣብ ዘይምልከተካ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኣይትእቶ እስኪ!

- ኣብ መንጎ ኣሕዋት ኣይትእቶ ኢልካ? ኣነ ጓና ኮይነ? መዓሌ! ብቐደሙ ‘ባዕሉ ዝሽየጥ


ዋጋ የብሉን’ ተባሂሉ እንድዩ ብቐደሙ። ከም ጎረቤት ባዕለይ ሓሲበ እየ መጺኤ።
ኣይትሓዙለይ።
- ኣይትበል ሳልም! ንስኻ ሓውናን ደላይ ጽቡቕናን ኢኻ። ሕጂ እዚ ንሓድሕድና
ምትሕምማይ ገዲፍና ነታ ጠፊኣ ዘላ ጓልና ንድለ።
- እወ፡ ሳልም ሓውናን ደላይ ጽቡቕናን ኢዩ። ሕማቕ ጌርካ ኖራይ።

- ሕማቕ ጌርካ ትብለኒ ኣታ ድኑስ፡ ዘይጠቅም!? ኩሉ ገንዘበይን ንብረተይን


ኣፍሲሰልካስ እዚ ክትፈድየኒ?
- እንታይ ትብል ኣለኻ ኖራይ። ጥዑይ ዘረባ ተዛረብ። ኣነ ሓቂ’የ ተዛሪበ። ሓቂ ከኣ
ዝፈትዋ የብላን።
- እሞ ንሕና ኢና ንሕሱ ዘለና?

- ባዕልኹም ትፈልጡ! ሸቃሎ ኣዋፊረ ነታ ጓል ካብ ዘላቶ እንተዘይኣምጺኤያ እዚ


ጭሕመይ ኣብ ሰበይቲ ይብቈል!
- እንታይ ይብል ኣሎ? ተጸሊሉ’ዩ ‘መስለኒ።
- Scene 361
- ሳብሪን ጓለይ፡ ቅድሚ ዝኣገረ ብጥሜት ኣይትሙቲ።

- ጓለይ! ጓለይ! ጠፋእኩ! ጠፋእኩ!

- ኣቲ እንታይ ወሪዱኪ? ድሓን ዲኺ?

- ሳብሪን የላን! ሳብሪን የላን!


- እንታይ ትገብሪ ኔርኪ? እንታይ ትሕልዊ ኔርኪ?

- እዚ ኩሉ ብሰንክኻ ኢዩ። ሓፍተይ ብዘይድልየታ ንመርዓ ገዲድካያ እናሃለት ጠፊኣ።

- እንታይ ትብሉ ኣለኹም?

- ሳብሪን የላን፣ ጠፊኣ!

- እዚ ከመይ ገይሩ ኣብ እዋን መርዓ ይኸውን? ካብ’ቲ ሓቢእኩማ ዘለኹም ቦታ


ኣውጽኡዋ እብለኩም ኣለኹ!
- እንታይ ኢልካ? ሳብሪን ሓፍተይ ብሰንክኻ ጠፊኣስ ሕጂ ንዓና ተጓጥጠልና?

- ግደፈኒ! ክቐትሎ እየ።

- ኣታ ዘይጠቅም! ሕጂ ሰብኣይ ኰንካ?

- ውጻእ ንብለካ ኣለና፣ ውጻእ!


- Scene 362
- መንሱር ወደይ ሕጂ ምስ ኣቦኻ ኖራይ ክንረዳዳእ ኢና ደገ ውጻእ።

- እዚ ወደይ ስምዓዮ፣ ውጻእ።

- ኣቲ ራየት፡ ሓልነት ናይ’ዛ ጓል ትስከሚ፣ ካብ ዘለታ ተምጽእያ። ኣነ ኖራይ ኣነ!


ኣንስቲ ክጻወታለይ!?
- ብጓለይ ትሕተት ንስኻ ኢኻ፡ ብሰንክኻን ብሰንኪ ሓውኻን’ያ ጓለይ ጠፊኣ ዘላ።

- እንታይ ጸገሙ’ዩ ደቀይ!

- እንታይ ትኾኑ ኣለኹም? ተረዳድኡ።

- ኣታ ሳልም፡ ኣብ መንጎና ኣይትእቶ፣ ንዓና ግደፈልና። ምሳኻ ድማ ምርድዳእ


የብልናን።
- ምሳይ ምርድዳእ እንተዘይብልኩም ድኣ ንምንታይ ጸዊዕኩምኒ?

- ኖራይ ኣይተፈራርሓና። ጓለይ ድማ ካባኻ ንዓይ ትቐርበኒ። ዓው-ዓው ኣይትበል።

- ንዓይ ንኖራይ ዓው-ዓው ኣይትበል ክትብለኒ? ድሓን፣ ርኢናኩም ኣለና።

- እወ፡ ንስኻን ሓውኻን ብጓለይ ተሓተትቲ ኢኹም። ሕጂ እንተዘየምጺእኩማ


ንፖሊስ ክሕብር እየ።
- ናብ ፖሊስ እንተኼድኪ እግርኺ ክቕርስመኪ’የ።

- ቈልዓ ኢያ፣ ኣብ ትኸዶ የብላን። ኣብ’ዚ ከባቢ ኣናዲና ክንረኽባ ኢና።

- ኖራይ ዶብ ትሰግር ኣለኻ። ግደፍ ኖራይ!

- ስቕ በል!

- ቈልዓ ምዃና ሕጂ ፈሊጥካ?!

- ኣቲ ራየት ጓል መንገዲ ኣይተምጽኢ።

- ንስኻ ኣዳላ ድማ ትዕግስቲ ግበር። ጓልካ ኣብ ትኸዶ የብላን። ሕጂ ጋሻና ንቀበል፣


ቃል- ኪዳንና ድማ ንእሰር።
- ቃል-ኪዳን ኢልካ?
- Scene 372
- ኣስመራ ዝገደፍናላ የብልናን፣ ኣብ ኩሉ ደሊና። ጓለይ ብሂወት እንተትህሉ ክሳብ
ሕጂ ኣይምጸንሐትን።
- ኣነ’ውን ንኩሎም ኣዕሩኽተይ ኣዋፊረዮም’የ። ክሳብ ሕጂ ግን ወረ ኣይረኸብናን።

- ኣነ ዝበሉ ይበሉ ንፖሊስ ክሕብር እየ።

- ሕጂ ንስኺ ኣይትሻቐሊ። ንፖሊስ ኣቐዲመ ባዕለይ ሓቢረዮም’የ። ካብ ኣስመራ


ሓሊፍና ከኣ ናብ ኩሉ ሰብ ኣዋፊርና ኣለና።
- ኣነ ኣብ’ቲ ተራእየትሉ ዝብሃል ዘሎ ቦታ ክበጽሕ’የ።

- ኣደ፡ ኣነ’ውን ምሳኺ ክብገስ’የ።

- ኣይፋልካን መንሱር ወደይ! ንስኻ ንሳምያ ሓፍትኻ ሓሉ። ንሳ’ውን ንእሽቶ እንድያ፣
ንበይና ኣይንገድፋን ኢና።
- ኩሉ እዚታት ኣየድልን’ዩ። ሰባት ኣዋፊርና ኣለና ንብለኩም ኣለና። ንስኻትኩም
ቴለፎናትኩም ኣይተጥፍኡ። ሓበሬታ ዝረኸበ ክድውለልኩም’ዩ።
- መን’ዩ መንሱር?

- ወላሂ ዘይፈልጦ ሓድሽ ቁጽሪ’ዩ።

- እስኪ ሃባ፣ ሃለው! ሳብሪን እንታይ ኮይና ትበኪ ኣላ ዘይነብ ሓፍተይ? መርሓባ!
መርሓባ!
- ያጀማዓ ሕጂ ኣብ ሕማቕ ከይትወድቕ መርዓ ዝብሃል ኣይተልዕሉላ።

- ነዞም ኣሕዋትካ ጥራይ ከልክል። እዚታት ከይመጽእ ኢና ቅድሚ ሕጂ ንቃወም


ዝነበርና።
- Scene 385
- ኖሪት ጓለይ በጺሕክናን ርኢኽናን ኢኺ። እንዳ ሓሙኺ ከኣ ከም’ቲ
ትፈልጥዮም’ዮም። ከፋንወኪ…
- ኣደ፡ ኣነ ኣይከይድን’የ፣ ክጸንሕ’የ።

- ድሓን ብሓንሳብ ኣለና። ኣይከይድን እናበልኪ ክሳብ ሕጂ ጸኒሕኪ ኣለኺ፡


እንተ’ፍቂዶምልና ድማ ኣብ’ዚ ምሳና ትሓርሲ።
- ኣደ ዘይትገድፍያ። ሎሚ እንድያ ትመጽኣና ዘላ። ድሓር ዕድል ኣይህብዋን ኢዮም።

- እንታይ ትብሊ ኣለኺ ሳብሪን? ብሰንክኺ ሓዊ ተኣጒዱ ከሎ ኖሪት ኣብ’ዚ ትጽናሕ


ትብሊ ኣለኺ?
- በቃ! እንተገይሮምልና ኣብ’ዚ ምሳና ክትሓርስ ስደዱልና ክንብሎም ኢና።

- ኣሃ! ኖሪት ሓፍተይ፡ ካብ ገጽ መንሱራ ገጽ መንሱር ሓውኺ ናፊቕኪ ሙሽ?

- ሕጂ ኪዲ ድራረይ። ካልእ መዓልቲ ባዕልና ክነብጽሓኪ ኢና።

- ኣደ፡ ኣነ’ውን ከፋንዋ ምሳኹም ክኸይድ?

- ንስኺ ሙሽ መርዓት ኢኺ? ኣብ ገዛኺ ጽንሒ።

- ኣላ መንሱራይ ወደይ! መርዓት ኢልካ? መርዓ ገዲፋቶ እንድያ። ድሓር መንሱር


ታክሲ ጌርካ ንሓፍትኻ ባዕልኻ ኣብጽሓያ።
- ኣነ ከመይ ገይረ ክምለስ ተሓስቡ ኣለኹም? ርህራሀ ዘይብሉ ገዛ!

- ኣቦኹም ይመጽእ ኣሎ። ሓሪቑ ከኣ’ዩ ዘሎ። ንጠንቀቕ ጥራይ።

- ኣሃ! ኩለኹም ኣብ’ዚ ተኣኪብኩም ኣለኹም ሓቀይ? ኣብ’ዚ ኩሉ ጸጋማት ዝኣተኹ


ብሰንክኽን ብሰንኪ ደቅኽን’ዩ።
- ኣቦ፡ ኣነ ምስ’ዚ ሰብኣይ’ዚ ክነብር ኣይክእልን’የ።

- ሓቃ ኣላ ኖሪት ጓለይ። ካብ’ዚኦም እንታይ ጽቡቕ ረኺባ?


- Scene 377
- ዕንባባ ሓዙ…

- ኣሃ! ድግስ ትገብሩ ኣለኹም እምብኣር!

- ፈለማ እንቋዕ ብሰላም ተረኽበት በል!

- ስቕ በል ሮመዳን!

- መጀመርታ ኮፍ’ሞ በል።

- ኣበይ ምስ ጠፍኤት’ያ ብሰላም ተረኺባ ትብሉ?

- ብኣዳላን ጃብርን ዝተማህዘ ተንኮል’ዩ። ሓቢኦማ ጸኒሖም፣ መርዓ ምስ ፈሸለ ድማ


ኣምጺኦማ።
- ኖራይ ዘይገበርናዮን ዘይወዓልናዮን ኣይተልግበልና፣ ሽምና ኣይተኽፍኣና።

- ጃብር ክሳብ ሕጂ ካብ መገሽኡ ኣይተመልሰን። ድሃይ መርዓኻ’ውን የብሉን። እታ


ጓል ድማ ኣብ ልባ ንዘይነበረ መርዓ ብግዲ ምስ ፈረድኩማ’ያ ሃዲማ።
- ንስኻስ መንዶ ይኣምነካ’ዩ? ባዕልኻ ሓቢእካያ’ውን ትኸውን። ሕጂ ኩሉ ንጎድኒ
ገዲፍና መርዓና ንግበር።
- ጓለይ ብሰንክኻ’ያ ኣብ ሕማቕ ወዲቓ ነይራ። ሕጂ ድማ ኣይኮነንዶ መርዓኻ
ገጽካ’ውን ክርኢ ኣይደልን’የ። ውጻእ ካብ’ዛ ገዛ!
- ንስኺኸ መን ዕድል ምስ ሃበኪ ኢኺ ተእትውን ተውጽእን ዘለኺ?

- ሕማቕ ሰብኣይ ከምኡ’ዩ። ንሰበይቱ ስለዘየአደባ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ካብ ገዛ ውጻእ


ትብለኒ ኣላ። እዚ ካብኡ ዝስጐጒ ዘለኹ ገዛ ከኣ ባዕለይ’የ ክራዩ ዝኸፍሎ።
- ሕጂ እዚታት ግዚኡ ኣይኮነን። ኣብ ህዱእ ቦታ ኮፍ ኢልና ክንላዘብ ኢና። ኖራይ
ድማ ህዳእ ንብለካ ኣለና።
- ድሕሪ ደጊም ኖራይ ክራዩ ኣይንደሊ መርዕኡ! ክራይ ገዛና ረቢ ክሕግዘና’ዩ። እቲ ገዛ
ድማ ካብ ጓለይ ኣይበልጽን’ዩ።
- Scene 416
- ረቢ ብሰላም የገላግላ’ምበር ኖሪት ሓፍትኺ ግዜኣ’ዩ።

- ስለምንታይ’ዮም ናባና ዘይሰድዱዋ? ምሳና እንተትሓርስ ምሓሸ።

- ኣቦኺ ኖራይ ከም’ዚ ክገብር? እቲ ቅድሚ ሕጂ ናባና ዝመጽኣቶ’ውን የጣዕሶ ኣሎ።


- ርኢኺ ኣደ? እታ ጓሉ ሓሳዊት መበጻጽሒት’ያ። ምስ ኖሪት ሓፍተይ ድማ ወትሩ
ምስ ተባኣሰት’ያ።
- እንታይ’ሞ ክንገብር! ባዕልና ዝገበርናዮ’ዩ። ንእንዳ ኣቦኺ ኖራይ መን ይዋሰቦም?
እንቋዕ ጥራይ ንስኺ ብሰላም ካብኣቶም ተገላገልኪ።
- እቲ ቀደም ገለ ክህቡና ከለዉ ካብ ርህራሀ ዝነቐለ’ዩ ዝመስለኒ ነይሩ። ንሳቶም
ግን…
- ንጥቕሞም’ዩ። ክህቡና ስለዝደለዩ ኣይኮነን። እዚ ኩሉ ክሳብ ንዓኺ ዝረኽቡ’ዮም።
ብሓቂ ዝህቡ እንተዝኾኑ ሎሚ ዘይህቡና? ጀማል ግን ጥዑይ ኢዩ፣ ካብ ዘይጥዑይ
ተወሊዱ’ምበር።
- ነታ ብሽክሌትኦም’ውን ክንመልሰሎም ኢና።

- ኖኖ! እዚ ኣይከውንን’ዩ። ባእስና ክነርእዮም የብልናን።


- Scene 418
- ሰብኣይ ኖሪት ሓፍተይ ኣይመጽእ ደብዳበ ኣይሰድድ…

- ኣቡኡ’ዩ ገዲዱዎ’ምበር ኣብ ዓሰብ ኣፍቃሪት ኣላቶ ኢሎሞ። ብዛዕባ ኖሪት


ተገዳስነት የብሉን።
- እንታይ ትብሊ? ተመርዕዩ ከሎ ከመይ ገይሩ ንካልእ የፍቅር?

- መርዓ ኖሪት ከይፈተወ ስለዝኣተዎ።

- እንታይ ድኣ ዘይፈትሓ? ምሳና ምኾነት።

- ድሓን፣ ረቢ ጥራይ ብሰላም የገላግላ።

- መዓልኩም?

- መርሓባ!

- ኣቲ ቈልዓ ስምዒ፡ ድሕሪ ሕጂ ብዘረባ ኣዴኺ እንተተመሪሕኪ ኣነ ኣቦኺ ኣይኮንኩ፡


ንስኺ ጓለይ ኣይኮንኪ!
- እንታይ ገይረ? ኣቦ፡ ኣነ እንታይ ገይረ?

- እንታይከ ዘይገበርክን? እዚ ኩሉ ጸገም ዝፈጠርክን ንስኽን ኣዴኽን ኢኽን።


- Scene 423
- ከመይ ውዒልክን?

- መርሓባ!

- ሳምያ ኣይተፈደሰትን ድያ ሎምስ?

- እንታይ ኮፍ ከይበልና ብዛዕባ ሳምያ ተሓትቲ? እዚ ገዛ ከኣ ክሳብ ሕጂ


ኣይተኾስተረን?
- ጸባብ ገዛ ወትሩ ጋሕማጥ ኢያ። በዚ ትኹስትሮ፡ በቲ ድማ ይርገጽ።

- ገፊሕ ገዛ እንተረኺብኪስ ምሉእ መዓልቲ ክትኩስትሪ ኢኺ ማለት’ዩ።

- ጸላኢና ኣብ ጸቢብ ይቀርቀር! እታ ገፊሕ ገዛ ትምነየልና ዝነበረት ጓልና ካብ


ትምህርቲ ኣብዂርኩማ እንዲኹም።
- ስቕ በሊ በጃኪ! ዕረፍቲ ስኢንና። መርዓ ካብ ፈሸለ ናብ ቤት ትምህርታ ትመለስ፣
በቃ!
- ሕጂ ከመይ ገይረ ናብ ቤት ትምህርቲ ክምለስ? እዛ ዓመት’ዚኣ ብላሽ ሓሊፋ’ያ።

- ምስተመርዓኺ’ውን ክትምሃሪ ትኽእሊ ኢኺ ሳብሪን ጓለይ። ነዚ ምኽረይ


እንተነጺግኪዮ ግን ከም ኣቦኺ ኣይትሕሰብኒ።
- ቁስላ ከይንጎድኣ’ምበር እቲ ምኽንያትሲ ባዕልና ኢና።

- ኖራይ ሓወይ ከም ቀደሙ የለን። ድሕሪ መርዓ’ውን ሳብሪን ትምህርታ ክትቅጽል


ትኽእል’ያ ይብል ኣሎ።

________________________________________________________________

- Scene ?

You might also like