You are on page 1of 5

Overview:

ታሪክና ብዛዕባ ሓደ ኣብ ምብራቃዊ ትግራይ ዝርከብ ኣብ ሞንጎ 4 ጣብያታት ትግራይን ክልል ዓፋርን

ዝተዘርገሐ ዓብዪን ሰፊሕን ሕዛእቲ በረኻ ዶዶልሾን ኣብቲ በረኻ ናይ ህይወቶም መሰርት ዝተደረኸ ጓሶት

ትግራይ ጌረኛታትን እዩ።

ወዲ 14 ዓመት ቆልዓ ደጉዓቡር ካብ ናይ ትምህርቲ ዕድምኡ ተሪፉ ናይ ወለዱን ባዕሉን ሕይወት ንምቕፃል

ዘለዎኦም ጥሪት ሰብሲቡ ናብ በረኻ ደደልሾ ተጓዒዙ ኣብቲ በረኻ ን ኣዋርሕ ኣብ ጌር እናነበረ ዝሕልፎ

ህይወት ፣ዘጋጥሞ ተፈጥራዊ ን ሰብ ሰራሕ ማሕልኻታትን ምስቲ ናይቲ በረኻ ተፈጥራዊ ፅባቀ፣ናይ ዱር

እንስሳትን ድሕሪትና ገይርና እቲ ዝህልዎ ናይ ጌር ህይወት ናይ ዘይምምሃር ቑጭትን፣ባህላዊ ፀዋታታትን

እንታይ ከምዝመስልን እቲ በርኻ ከመይ ኢሉ ናይ ልዕሊ 6 ጣብያታት ናይ ሰብን እንስሳን ህይወት መድሕን

ከምዝኾነ ዝረኣየሉ እዩ።

ታሪክ

1. ገጠር

14 ዓመት ቆልዓ ወጋሕታ ተላዒሉ ኣብ ደምበአን ዝዐይማ ከፍቲ እንዳልዓለ ይጥርንፈን።ደግዓቡር ናይ

ወጋሕታ ዕምቡረ ተሸፊኑ ናይ ቐውዒ ዛዕዛዕታ እንዳረሓሰ እዩ። ካብተን ካብ ሓምሳ ዘይበዝሓ ተበታቲነን

ዝተቀመጠ ናይ ህድሞ ገዝታት ሓደ ኣብ ዝኾነ ገዛ ኢና ዘለና።ኣብቲ መረባ ሓድ ዓብዪ ኣዳራሽ

፣ኣፍገበላ፣እንዳሞጎጎን ገፊሕ ናይ ከፍቲ ደምበን ኣለው።

እቲ ሕፃን ቆልዓ እተን ከፍትን ጠለ በጊዕን ካብ ድቃሰን ቀስቂሱ ናብ በሪ የውፀኣን። ካብቲ ዓብዪ ኣደራሽ

ወላዲ እቲ ህፃን ቆልዓ ኣብ ሓደ ኢዶን ክራንቺ ሒዞም ወፂኦም ናብ ወዶም ብምኻድ ነተን ከፍቲ ምኽልካል

ይጅምሩ።እቲ ህፃን ናብቲ መረባ ዉሽጢ እንትምለስ ወላዲቱ ኣብ ኢደን ስንቂ ዝሓዘ ቆርውሻን ሕንባሻ

ሒዘን ወፂኣን ይህበኦ። እቲ ህፃን ኣብ በሪ እቲ ኣዳራሽ ከፍ ኢሉ እቲ ዝተውሃቦ ሕምባሻ ብዓውሶ ሰትዩ ናይ

ስንቒ ቆረወሽኡ ኣልዒሉ ይወፅእ። እተን ወላዲቱ ድርኩኺት ገዝኣን ተደጊፈን ይጥምትኦ።

Narration

ኣቡሽ እተን ከፍቲ ሰብሲቡ ጉዕዞ ይጅምር።ኣቡኡ እውን ኣብቲ በሪ ጠጠው ኢሎም ወዶም ናብቲ ዕምቡረ

ኣትዩ ክሳብ ዝሽፈን ይጥምትዎ።


እቲ ዕምቡረ ካብቲ ገጠር ናተልዓለ ናብ ሰማይ ይሕምበብ። እቲ ህፃን ኣብ መንጎ ናይ ቀውዒ ኣዝርእቲ

እተን ከፍቱ እናሓለወ ይጉዓዝ። ኣብ መንገዲ ካልኦት ናይቲ ገጠር ህፃውንቲ ከፍቶም ሒዞም እንዳተሓወሱ

እተን ከፍቲ እንዳበዝሓ ይኸዳ።

ኣብ መውፂ እቲ ገጠር እንትበፅሑ እቲ ህፃን ጠጠው ኢሉ ክዓንይ ዝተቓረብ ህንፃ ይጥምት። እቲ ህንፃ

ቕድሚ ጦርነትን ኮረናን ናይቶም ህፃውንቲ መምሀሪ ትምርት ቤት እዩ ነይሩ።

እቶም ህፃውንቲ ተኸቲልና ካብቲ ገጠር ወፂና ሙሉእ ብሙሉእ ብ ዕምቡረ(ግመ) ናብ ዝተሸፈነ በረኻ

ንኣቱ።

2. ዶዶልሾ

ዶዶልሾ ን ቡዙሕ ዘመናት ናይ ልዕሊ 6 ጣብያታት ትግራይን ክልል ዓፋርን ዘራኽብ ብቑፅሪ ዘይፍለጥ

ሰፊሕ ናይ ዝተፈላለዩ እንስሳ ገዳማት፣ናይ ተፈጥሮ ኣእዋማትን ሰፊሕ ናይ እንስሳ ቀልብ ሳዕሪን ዝተመልኣ

ሕዛእቲ እዩ። እዚ በረኻ ናይቲ ከባቢ ነበርትን፣ እንስሳትን ዋና ናይ ህይወት ምንጪ ኮይኑ ካብ ወለዶ ናብ

ወለዶ እንዳተሓላለፈ ዝመፀ ናይ ጌር ስርዓት ዋና መኣከቢ እዩ።

ዶዶልሾ ኣብ ዉሽጡ እውን ብዙሓት ዘይፍለጡ ናይ ጎሳ ጦርነታት ዘካየደ እንትኸውን ሐዚ እውን፣ ናይ

ብርሰት ኣግራባት ዝጥቃዕ ዘሎ ሰፊሕ በረኻ።

ዶዶልሾ ነቶም ጌረኛታት እውን በቢ ዓመቱ ዝቀያየር ተፈጥራዊ ፅባቕኡን ሓደጋታቱን እንዳገረምሎም ናብ

ጌር እንትኸዱ ዝሕጎሱሉን ዝፈርሕሉን ሕውስውስ ዝበለ ስምዒት ዝፈጥረሎም ናይ ጌር ህይወቶም ወዲኦም

እንትምለሱ ድማ ዝናፍቅዎ መስደመሚ በርኻ እዩ።

Narration

እቶም ጓሶት ናብቲ ብ ግመ ዝተሸፈነ በርኻ ዶዶልሾ ብሓደ ገፅ ገደል ብ ሓደ ገፁ እምባ ዝኾነ ፀቢብ መንገዲ

ሒዞም ይጓዓዙ። እቲ ፀቢብ መንገዲ ሒዞም በቲ ኣግዳልን ሓሊፎም ካብ ዉሽጢ እቲ በረኻ ዝወፅእ ናይ

ኣዕዋፍን ዝማሬን ናይ ካልኦት እንስሳታት ድምፂን ተዓጂቦም ናብ ሰፊሕ ጎልጎል ይወፁ። እቲ ጎልጎል ግልፂ

እዩ። ከምቲ ካሊእ ቦታ ብ ዕምቡረ ዘይተሸፈነ ሰፊሕ ጎልጎል። እተን ከፍቲ ኣብቲ ጎልጎል ተበቲነን ምግሃፅ

ጀመራ።እቶም ጓሶት እውን ካብቲ ጎልጎል ልዕል ኢሎም ኣብ ፀግዒ እቲ እምባ ብምድያብ ካብ ዕንጨይቲ
ጥራሕ ዝተሰርሑ ሓፀርቲ ጉጂ ገዛታት ዝመስል ዝተፈራረሰ መንደር ይረኽቡ። እዚ ንቐፃልቲ ዝተወሰኑ

ኣዋርሕ መንበሪኦም ክኸውን ዝመረፅዎ ናይ ጌር ቦታ እዩ።

3. ጌር

ጌር ማለት ጓሶት ዘለዎኦም ጥሪት ሒዞም ናብ ሳዕርን ማይን ዝርከበሉ በረኻ ብምኻድ ምስ ጥሪቶ ን

ዝተወሰነ ኣዋርሕ ዝነብርሉ ቦታ እዩ። ናይ ጌር ታሪክ ኣብ ዶዶልሾ ንብዙሕ ዘመናት ዝፀንሐ ሐዚ እውን

ዝቕፅል ዘሎን ናይ ኣነባብራ ዘዴ እንትኸውን ናብ ዉሽጡ ናይ ባዕሉ ናይ ስራሕ ክፍፍል፣ናይ ምህደራ

ስርዓትን ዘለዎ እዩ።

እቶም ጓሶት ናብቲ ዝፈራረሰ ዝመስል ናይ ጌር መንደር ከይዶም እቲ ዘሎ ምስ ረኣዩ ናይ ስራሕ ክፍፍል

ይጅምሩ።

Narration

ድሕሪ እቲ ናይ ስራሕ ክፍፍል እቶ ጓሶት ነናብ ስርሖም ይበታተኑ። እቲ ወዲ 14 ህፃን ቆልዓ ምስቶም ነት

ጌር ዝኸውን ዕንፅይቲ ከምፅኡ ዝተመረፁ ኮይኑ ናብ ማእኸል እቲ በርኻ ናብቲ ጣሻ ኣትዮም ዕንፅይቲ

ምቁራፅ ይጅምሩ። ዝተወሰኑ እቲ ናይ ጌር ቦታ እንተፅራርዩ ዝተረፉ ድማ ነተን ከፍቶም ኣኪቦም ናብ በርኻ

ይወፍሩ።

እቲ ወዲ 14 ዓመት በዓል ታሪኽና ተኸቲልና ናብ ማእኸል እቲ ጣሻ ንኣቱ።ኣብ ማእኸል እቲ በረኻ ዝተፈላለዩ

ዓበይቲ ኣእዋማት ካብ እግሮም ተቆሪፆም ይረኣዩ። ኣቶም ጓሶት እቲ ተኽሊ ንኸይጉዳእ ጫፍ ጫፉ

እንዳቆረፅዎ እዮም።

Narration

እቲ ብርሰት ኣግራብ ምስ ናይ ዕንጨይትን ፈሓምን መሸታ ዝተትሓሓዘ እዩ።

እቶም ጓሶት እቲ ዝቆራረፅዎ ዕንፀይቲ ሒዞም ናብቲ ናይ ጌር ቦተኦም ተመሊሶም ናብቲ ጌር ምስራሕ

ይጅምሩ።

እቲ ጌር እንትውዳእ ነንሕድሕዶም ዝኸውን መንበርታት ሰፋሕቲ ናይ ከፍቲ ደምበ፣ ኣይ ጠለ በጊዕ

ድምብ፣ናይ ሙራኹት ድመበን ናይ ማሓሽእ ድምበን ተፈላልዩ ዝተሰርሐሉ ሰፊሕ መንደር እዩ።
ፀሓይ ኣብ ዶዶልሾ እንትጠልቕ ናይ ባዕላ ፅባቐ ኣለዋ። ምስምጥላቕ እታ ፅሓይ ነቲ ጌር እናሰርሑ ዝወዓሉ

ጓሶት ነቶም ዝመፁ ምግቢ ምዝግጃውን ማይ ምምፃእን ጀመርሩ።

ብ ዶዶልሾ ዝስተይ ማይ ንምርካብ ናይ ሰዓታት መንገዲ ዝኽየድ እትኸውን እቲ መንገዲ እውን ብግመን

ፀበብቲ ናብ ገደል ዝተፀግዕን እዩ።

እቲ ሕፃን ቆልዓና ጀሪካንን ኣእድጉን ሒዙ ናብቲ ማይ ንምቕዳሕ ይጓዓዝ። ናብ ፈልፈል ፣ኣብ ሙሉእ ደዶልሾ

ዝፀረየን ዝጠዓመን ዝስተ ማይ ንምምፃእ።

ካብ ፈልፈል ማይ መሊኡ እንትምለስ እተን በረኻ ዝወዓላ ከፍቲ ኣኻናት ሒዘን በቲ ዓራርቦ ፀሓይ ናብቲ

ሜዳ ምውራድ ይጅምራ ኣለዋ፣ ካብ ወለደን ተፈልየን ዝወዓላ ምራኽን መሓሽኣትን እውን እንዳተጉየይ

ናብቲ ጎልጎል ብምምፃእ ምጥባው ይጅምራ። ነተን ምራኹት ዝሕልዩ ህፃውንቶ ቖልዑ ድማ እተን

ዘይተሓለባ ከፍቲ ከይጥወያ እንዳተጓየዩ ይከላኸሉ።

እቶም ኣብ በርኻ ዝወዓሉ ጓሶት ነቲ ዝተሰርሐ ጌር ሪኦም ነተን ከፍቶም ከፋፊሎም ነናብ ደምበኣን

ብምእታው ኣብ ማእኸል እቲ ጌር ከቢቦ ከፍ ይብሉ።

ነተን ዝሕለባ ከፍቲ ሓደ ብሓደ ምህላብ ይጅምሩ፣

ፀሃይ እንዳጠለቐት ትኸይድ፣ዶዶልሾ እውን ካብ ባሕሪ ዝተልዓለ ግመ ሐዚ እውን መፂኡ ይሽፍኖ፣ኩሎም

እቶም ጓሶት ኣብ ማእኸል እቲ ገዝኦም ከቢቦም ሓዊ ብምንዳድ ንናይ ዉዕለኦም ምውጋዕ ጀመሩ።

ወጋሕታ ዶዶልሾ ፀሓይ ነቲ ዕምቡረ ደፊኣ ትውፅእ እያ ትመስል። እቶም ጓሶት ምስታ ትቅልቀል ፀሓይ

ከፍቶም ኣኪቦም ጉዕዞ ጀምሩ።

Narration

14 ዓመት ህፃን ቆልዓናን መሓዝቱን እተን ከፍቲ ሒዞም ናብቲ ዉሽጢ ጫካ ኣትዮም በቢ ጠረኖም

ጠጠው ኢሎም ክብ ዝመፅእ ናይ እንስሳ ዘገዳም ሓደጋታት እንዳሓለይወን እዮም። ኣብቲ ጠረን ጠጠው

ዝበሉ ቦፌ ክዳኖም ዝተኸደኑ ጓሶት እንትረኣዩ ኣብ ልዕሊ ደመና ጠጠው ዝበሉ መላእኽቲ እምበር ተራ

ሰባት ኣይመስሉን።
እቲ በረኻ ፅበቀእኡ ብዝኸድካዮ እንዳተቀያየረ ሓደ ዓይነት መልክዕ ዘይህበካ ገነት እዩ።እቶም ጓሶት ከፍቶም

ብ ጥንቃቀ ጠጠው ኢሎም ክበልዓይገብርወን ኣለው። እዚ ንቐፃሊ 2 ኣዋርሕ ዝነብርዎ ህይወቶም እዩ።

ኣጋምሸት ፀሓይ ፅልግልግ ምባል ምስጀመረት ከፍቶም ሰብሲቦም ናብ ገዝኦም ጉዕዞ ጀመሩ። እተን

ዝተበታተና ጥሪት እንትእክቡ ካብ ዉሽጢ እቲ ጫካ ናይ ጤል ድምፂ ይስማዕ። እቲ ህፃን ንቶም ካልኦት

ጓሶት የዕርኽቱ ፀዊዑ ናብቲ ዝበርገጋ ኣጣል ዝመፃሉ ዉሽጢ ምግያይ ጀመረ። ኣብቲ ቦታ ካብ ንእሽተይ

ደም ወፃኢ ምንም የለን፣እታ ጠሊ ተወሲዳ እያ። ናይ ጓሳ ህይወት እዩ።

ጥሪቶም ሰብሲቦም ናብ ጌሮም እንትምለሱ ሐዚ እውን ኩለን እተን ምራኹትን ኣላሕምን እንዳተጓየያ

ይራኸባ።

እቶም ኣብ ገዛ ዝተረፉ ቆልዑ እቲ ፀባ ሸለው ለጋ ሰሪሖም እንዳሓቆንዎ እዮም።ዝተወሰኑ ድማ ሕምባሻ

ይሰርሑ።

እቲ ወዲ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት በዓል ታሪኽና በትሩ ኣብ ማእገሩ ገይሩ ኣብ ላዕሊ ኮይኑ ኩሉ ይርእዮ።

ፀሓይ ብድሕሪቱ እንተዓርብ ናብ ማእኸል ጌሩ ከይዶም ተኣኪቦም ድራርሮም እንዳበልዑ ውዕልኦም

ምትንታን ይቅፅሉ።

ፅባሕ ካሊእ መጋሕታ፣ ካሊእ ፅባቀ፣ ካሊእ ማሕለኻ ሒዙ ዝመፅእ ዶዶልሾ እንዳሓሰቡ ናብ ድቃሶም

ይኣትው።

ፊልምና እንዳቐፀለ መዓልታዊ ናይ በዓል ታሪኽና ህይወት እንዳርኣየና ይቕፅል።

You might also like