Professional Documents
Culture Documents
ታሪክና ብዛዕባ ሓደ ኣብ ምብራቃዊ ትግራይ ዝርከብ ኣብ ሞንጎ 4 ጣብያታት ትግራይን ክልል ዓፋርን
ዝተዘርገሐ ዓብዪን ሰፊሕን ሕዛእቲ በረኻ ዶዶልሾን ኣብቲ በረኻ ናይ ህይወቶም መሰርት ዝተደረኸ ጓሶት
ወዲ 14 ዓመት ቆልዓ ደጉዓቡር ካብ ናይ ትምህርቲ ዕድምኡ ተሪፉ ናይ ወለዱን ባዕሉን ሕይወት ንምቕፃል
ዘለዎኦም ጥሪት ሰብሲቡ ናብ በረኻ ደደልሾ ተጓዒዙ ኣብቲ በረኻ ን ኣዋርሕ ኣብ ጌር እናነበረ ዝሕልፎ
ህይወት ፣ዘጋጥሞ ተፈጥራዊ ን ሰብ ሰራሕ ማሕልኻታትን ምስቲ ናይቲ በረኻ ተፈጥራዊ ፅባቀ፣ናይ ዱር
እንታይ ከምዝመስልን እቲ በርኻ ከመይ ኢሉ ናይ ልዕሊ 6 ጣብያታት ናይ ሰብን እንስሳን ህይወት መድሕን
ታሪክ
1. ገጠር
ወጋሕታ ዕምቡረ ተሸፊኑ ናይ ቐውዒ ዛዕዛዕታ እንዳረሓሰ እዩ። ካብተን ካብ ሓምሳ ዘይበዝሓ ተበታቲነን
እቲ ሕፃን ቆልዓ እተን ከፍትን ጠለ በጊዕን ካብ ድቃሰን ቀስቂሱ ናብ በሪ የውፀኣን። ካብቲ ዓብዪ ኣደራሽ
ወላዲ እቲ ህፃን ቆልዓ ኣብ ሓደ ኢዶን ክራንቺ ሒዞም ወፂኦም ናብ ወዶም ብምኻድ ነተን ከፍቲ ምኽልካል
ይጅምሩ።እቲ ህፃን ናብቲ መረባ ዉሽጢ እንትምለስ ወላዲቱ ኣብ ኢደን ስንቂ ዝሓዘ ቆርውሻን ሕንባሻ
ስንቒ ቆረወሽኡ ኣልዒሉ ይወፅእ። እተን ወላዲቱ ድርኩኺት ገዝኣን ተደጊፈን ይጥምትኦ።
Narration
ኣቡሽ እተን ከፍቲ ሰብሲቡ ጉዕዞ ይጅምር።ኣቡኡ እውን ኣብቲ በሪ ጠጠው ኢሎም ወዶም ናብቲ ዕምቡረ
እተን ከፍቱ እናሓለወ ይጉዓዝ። ኣብ መንገዲ ካልኦት ናይቲ ገጠር ህፃውንቲ ከፍቶም ሒዞም እንዳተሓወሱ
ኣብ መውፂ እቲ ገጠር እንትበፅሑ እቲ ህፃን ጠጠው ኢሉ ክዓንይ ዝተቓረብ ህንፃ ይጥምት። እቲ ህንፃ
እቶም ህፃውንቲ ተኸቲልና ካብቲ ገጠር ወፂና ሙሉእ ብሙሉእ ብ ዕምቡረ(ግመ) ናብ ዝተሸፈነ በረኻ
ንኣቱ።
2. ዶዶልሾ
ዶዶልሾ ን ቡዙሕ ዘመናት ናይ ልዕሊ 6 ጣብያታት ትግራይን ክልል ዓፋርን ዘራኽብ ብቑፅሪ ዘይፍለጥ
ሰፊሕ ናይ ዝተፈላለዩ እንስሳ ገዳማት፣ናይ ተፈጥሮ ኣእዋማትን ሰፊሕ ናይ እንስሳ ቀልብ ሳዕሪን ዝተመልኣ
ሕዛእቲ እዩ። እዚ በረኻ ናይቲ ከባቢ ነበርትን፣ እንስሳትን ዋና ናይ ህይወት ምንጪ ኮይኑ ካብ ወለዶ ናብ
ዶዶልሾ ነቶም ጌረኛታት እውን በቢ ዓመቱ ዝቀያየር ተፈጥራዊ ፅባቕኡን ሓደጋታቱን እንዳገረምሎም ናብ
Narration
እቶም ጓሶት ናብቲ ብ ግመ ዝተሸፈነ በርኻ ዶዶልሾ ብሓደ ገፅ ገደል ብ ሓደ ገፁ እምባ ዝኾነ ፀቢብ መንገዲ
ሒዞም ይጓዓዙ። እቲ ፀቢብ መንገዲ ሒዞም በቲ ኣግዳልን ሓሊፎም ካብ ዉሽጢ እቲ በረኻ ዝወፅእ ናይ
ኣዕዋፍን ዝማሬን ናይ ካልኦት እንስሳታት ድምፂን ተዓጂቦም ናብ ሰፊሕ ጎልጎል ይወፁ። እቲ ጎልጎል ግልፂ
እዩ። ከምቲ ካሊእ ቦታ ብ ዕምቡረ ዘይተሸፈነ ሰፊሕ ጎልጎል። እተን ከፍቲ ኣብቲ ጎልጎል ተበቲነን ምግሃፅ
ጀመራ።እቶም ጓሶት እውን ካብቲ ጎልጎል ልዕል ኢሎም ኣብ ፀግዒ እቲ እምባ ብምድያብ ካብ ዕንጨይቲ
ጥራሕ ዝተሰርሑ ሓፀርቲ ጉጂ ገዛታት ዝመስል ዝተፈራረሰ መንደር ይረኽቡ። እዚ ንቐፃልቲ ዝተወሰኑ
3. ጌር
ጌር ማለት ጓሶት ዘለዎኦም ጥሪት ሒዞም ናብ ሳዕርን ማይን ዝርከበሉ በረኻ ብምኻድ ምስ ጥሪቶ ን
ዝተወሰነ ኣዋርሕ ዝነብርሉ ቦታ እዩ። ናይ ጌር ታሪክ ኣብ ዶዶልሾ ንብዙሕ ዘመናት ዝፀንሐ ሐዚ እውን
እቶም ጓሶት ናብቲ ዝፈራረሰ ዝመስል ናይ ጌር መንደር ከይዶም እቲ ዘሎ ምስ ረኣዩ ናይ ስራሕ ክፍፍል
ይጅምሩ።
Narration
ድሕሪ እቲ ናይ ስራሕ ክፍፍል እቶ ጓሶት ነናብ ስርሖም ይበታተኑ። እቲ ወዲ 14 ህፃን ቆልዓ ምስቶም ነት
ጌር ዝኸውን ዕንፅይቲ ከምፅኡ ዝተመረፁ ኮይኑ ናብ ማእኸል እቲ በርኻ ናብቲ ጣሻ ኣትዮም ዕንፅይቲ
ይወፍሩ።
እንዳቆረፅዎ እዮም።
Narration
እቶም ጓሶት እቲ ዝቆራረፅዎ ዕንፀይቲ ሒዞም ናብቲ ናይ ጌር ቦተኦም ተመሊሶም ናብቲ ጌር ምስራሕ
ይጅምሩ።
ድምብ፣ናይ ሙራኹት ድመበን ናይ ማሓሽእ ድምበን ተፈላልዩ ዝተሰርሐሉ ሰፊሕ መንደር እዩ።
ፀሓይ ኣብ ዶዶልሾ እንትጠልቕ ናይ ባዕላ ፅባቐ ኣለዋ። ምስምጥላቕ እታ ፅሓይ ነቲ ጌር እናሰርሑ ዝወዓሉ
ብ ዶዶልሾ ዝስተይ ማይ ንምርካብ ናይ ሰዓታት መንገዲ ዝኽየድ እትኸውን እቲ መንገዲ እውን ብግመን
እቲ ሕፃን ቆልዓና ጀሪካንን ኣእድጉን ሒዙ ናብቲ ማይ ንምቕዳሕ ይጓዓዝ። ናብ ፈልፈል ፣ኣብ ሙሉእ ደዶልሾ
ካብ ፈልፈል ማይ መሊኡ እንትምለስ እተን በረኻ ዝወዓላ ከፍቲ ኣኻናት ሒዘን በቲ ዓራርቦ ፀሓይ ናብቲ
ሜዳ ምውራድ ይጅምራ ኣለዋ፣ ካብ ወለደን ተፈልየን ዝወዓላ ምራኽን መሓሽኣትን እውን እንዳተጉየይ
ናብቲ ጎልጎል ብምምፃእ ምጥባው ይጅምራ። ነተን ምራኹት ዝሕልዩ ህፃውንቶ ቖልዑ ድማ እተን
እቶም ኣብ በርኻ ዝወዓሉ ጓሶት ነቲ ዝተሰርሐ ጌር ሪኦም ነተን ከፍቶም ከፋፊሎም ነናብ ደምበኣን
እቶም ጓሶት ኣብ ማእኸል እቲ ገዝኦም ከቢቦም ሓዊ ብምንዳድ ንናይ ዉዕለኦም ምውጋዕ ጀመሩ።
ወጋሕታ ዶዶልሾ ፀሓይ ነቲ ዕምቡረ ደፊኣ ትውፅእ እያ ትመስል። እቶም ጓሶት ምስታ ትቅልቀል ፀሓይ
Narration
14 ዓመት ህፃን ቆልዓናን መሓዝቱን እተን ከፍቲ ሒዞም ናብቲ ዉሽጢ ጫካ ኣትዮም በቢ ጠረኖም
ጠጠው ኢሎም ክብ ዝመፅእ ናይ እንስሳ ዘገዳም ሓደጋታት እንዳሓለይወን እዮም። ኣብቲ ጠረን ጠጠው
ዝበሉ ቦፌ ክዳኖም ዝተኸደኑ ጓሶት እንትረኣዩ ኣብ ልዕሊ ደመና ጠጠው ዝበሉ መላእኽቲ እምበር ተራ
ሰባት ኣይመስሉን።
እቲ በረኻ ፅበቀእኡ ብዝኸድካዮ እንዳተቀያየረ ሓደ ዓይነት መልክዕ ዘይህበካ ገነት እዩ።እቶም ጓሶት ከፍቶም
ብ ጥንቃቀ ጠጠው ኢሎም ክበልዓይገብርወን ኣለው። እዚ ንቐፃሊ 2 ኣዋርሕ ዝነብርዎ ህይወቶም እዩ።
ኣጋምሸት ፀሓይ ፅልግልግ ምባል ምስጀመረት ከፍቶም ሰብሲቦም ናብ ገዝኦም ጉዕዞ ጀመሩ። እተን
ጓሶት የዕርኽቱ ፀዊዑ ናብቲ ዝበርገጋ ኣጣል ዝመፃሉ ዉሽጢ ምግያይ ጀመረ። ኣብቲ ቦታ ካብ ንእሽተይ
ጥሪቶም ሰብሲቦም ናብ ጌሮም እንትምለሱ ሐዚ እውን ኩለን እተን ምራኹትን ኣላሕምን እንዳተጓየያ
ይራኸባ።
ይሰርሑ።
እቲ ወዲ ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት በዓል ታሪኽና በትሩ ኣብ ማእገሩ ገይሩ ኣብ ላዕሊ ኮይኑ ኩሉ ይርእዮ።
ምትንታን ይቅፅሉ።
ፅባሕ ካሊእ መጋሕታ፣ ካሊእ ፅባቀ፣ ካሊእ ማሕለኻ ሒዙ ዝመፅእ ዶዶልሾ እንዳሓሰቡ ናብ ድቃሶም
ይኣትው።