You are on page 1of 11

ትሕዝቶ

1. መአተዊ.................................................................................................1
2. ዓላማ....................................................................................................1
3. ሓተታ...................................................................................................1
3.1 መንፈሰዊ ፍረ......................................................................................1
3.2 ናይ ስጋ ፍረ.........................................................................................5
4. አንማሃሮ ነገር.......................................................................................10
5. መደምደምታ ሓሳብ..............................................................................10
6. ፍልፍል.................................................................................................10

i
1. መአተዊ
ናይ መንፈሳዊ ትምህርቲ መሳርሒ ናይ ሚስጥራት መጀመሪያ ብጹቡቅ ስነ ምግባር ንባዓልኻን ንኻልኦትን ቀሪጽካ ምርካብ
ብምዃኑ ምግባርናን እምነትናን ብጹቡቅ ክነርኢ ኣለና ያቆብ 2 ፤ 14።ሓደ ሰብ ጽቡቅ ወይ ሕማቅ ስነ-ምግባር ኣለው ካብዚ
ትበጊስና ድማ መንፈሳዊ ፍረ ወይ ስጋዊ ፍረ ብሂወት ክነብረ እንትሎ ዘፍርዮ ፍረታት እዮም ። ማቴ 5፡16 ነቲ ጽቡቅ
ግብርኹም ሪኦም አብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ከመስንዎ ብርሃንኹም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። ኣብ ሓደ ሰብ ኣብ
ዉሽጡ ዘሎ መንፈስ ናይ ባዕሉ ዝኾነ ፍረ ክህልው ይግባእ ምእጤ 7፤20 “ብፍረኦም ክተለልይዎም ኢኹም ”

2. ዓላማ
ደቂ ሰባት ንቤት ክርስቲያንን ነእግዚአብሄርን ቡዝሓት ጋሻታት አለው ናይ እግዚአብሄር ፍቅሪ አይጣዓሙን ዮሃ 4፡7-11 ውይ
ናይ እግዚአብሄር ብርሃን አይርክቡን ዮሃ 9፡5 ናይ እግዚአብሄር ሰላም አይርክቡን ዮሃ 14፡27።ስለዚ መንፈሳዊ ፍረ ምስ
እግዚአብሄር ክንደይናይ ከቃራረብናን መንግስቱ ከዉርሰና ዝገብረ እዩ ስለዚ ደቂ እግዚአብሄር ናይ ክርስቶስ ብርሃን
ከይተረድኡ ስጋዊ ፍረ የፍሪዩ እዮም ። መብዛሕቲኦም ናይ ዓለምና ደቂ ሰባት መንፈሳዊ ድሌቶም ክረክቡ አይካአሉን ካልኦት
ድማ መንፈሳዊ ነገር ብምስኣን ሓሚሞም እዮም ሓደ ሓደ ሰባት ድማ ብ ዝተፈላለዮ መደንዘዝቲ እጽታት ፡መስተ ፡
ዙሙትን ርኹስትን ተለኪፎም ብመንፈስ ሞይቶም እዮም። ስለዚ ብሰንኪ ስጋዊ ፍረ ካብ መንፈሳዊ ፍረ ሪሒቆም እዮም
።ናይዚ ጹሑፍ ዋና ዓላምኡ እብ ንሃለና ንሃሉ ናይ እግዚአብሄር በረከትን ጸጋን ንክሓደርና ብናይ እግዚአብሄር ሕግታት
ክንመላለስ ይግባእ።መንፈሳዊ ፍረ ዝፍሪ በምነት ልቡ ይጸንዕ ንዘጋጥምዎ ፈተናታት እዉን ብትዕግስቲ ይሓልፍ ።

3. ሓተታ
መንፈሳዊ ፍረን ስጋዊ ፍረን ብንፅፅር እንትረአ ሓደ ክርስትያን ክነብር ከሎ ዘፍርዮም ፍረታት እዮም።መንፈሳዊ ፍረ ማለት
ብመንፈስ ቅዱስ ዝምራሕ ናይ እግዚአብሄር ሕጊ ዝፍፅምን መንፈሳዊ ፍረታት ዘፍርን ማለት እዩ።

ስጋዊ ፍረ ናይ እግዚአብሄር ቃል ዘይምስማዕ ዘይምግዛእን ብሓሳብ፣ብንግግር፣ብስራሕ ከምዚኦም ዝበሉ ዘይምእዛዝን


እዩ።ናይ ስጋ ድሌት፣ናይ ስጋ ፍቃድ ምፍፃም ካብ እንስሳዊ ባህሪ ዝመንጨየ ዝክልክሎ ዘየለ ስራሕ እዩ።ቅዱስ ጳውሎስ ገላ
5:19-21 "ናይ ስጋ ድሌት ዝተብሃለ ዝገብር ናይ እግዚአብሄር መንግስቲ አይወርስን"

3.1 መንፈሰዊ ፍረ
1. ሰላም
ሰላም ማለት ብስምምዕን ብሓድነትን ተስማሚዕካ ምንባር እንትከውን ሓቀኛ ሰላም ዝርከብ ግን ካብ እግዚኣብሄር
ጥራሕ እዩ። ሓቀኛ ሰላም ክርከብ ዝክእል ካብ ሓጥያት ብምንፃህ ብንስሃ እንትንበር እዩ።ሰላም ንክርስትያን ብጣዕሚ
አድላዩ እዩ ካብ ዓለም ዝርከብ ሰላምን ካብ እግዚኣብሄር ጥራሕ እዩ። "አነ ዝህበኩም ሰላም ዓለም ከም ዝህበኩም
አይኮነን"ዮሓ 14:27 ሰብ ሰላሙ ዝሰእን እግዚኣብሄር ብምሕዳግ ናይ ባዕሉ ፍቃድ ክፍፅም እንትብል አዳም ትእዛዝ
ከየፍረሰ ዝነበሮ ናይ ሓጎስን ሰላምን ኑሮ ፅቡቅ ነይሩ ናይ ባዕሉ ፍቃድ እንትፍፅም ግን ን 5500 ዓመታት ሰላም ካብ
ወዲሰብ ርሒቃ ጭንቀትን መከራን ነጊሱ ብክርስቶስ ምውላድ ጠፊኡ ዝነበረ ሰላም ተመሊሱ ፅልኢ ዝነበሩ ወዲሰብን
መላእክትን ሐደ ኮኑ። "ክብሪ ን እግዚኣብሄር አብ አርያም ይኩን ሰላም ብምድሪ ስምረት አምላክ ዘለዎም ሰባት"ሉቃ
2:14 ብምባል ዘመሩ አምላክና ናብዚ ምድሪ ምምፅኡ ዋና ዓላማ ሰብ ሲእንዎ ዝነበረ ሰላም ንምምላስ እዩ። ክርስቶስ
እንትዛረብ"አነ ዝመፃኩ ሰላም ንምምፃእ እምበር ሰይፊ ንምምፃእ አይኮነን"ኢሉ እንትዛረብ አምላክነቱ ንዝአምኑ ኩሉ
ሰላም ሓድነት ናይ ዘልአለም ህይወት ድሕነት ይረክቡ ብአምላክነቱ ዘይአምኑ ምፍልላይን ፅልእን ንዝሰብኩ ከዓ
አይአመኑሉን እሞ ናይ ዘልአለም ፍርዲን ሓዘንን እምበር ሰላም የብሎምን። ክርስቶስ ናብዚ ዓለም ምምፅኡ ዋና ዓላማ
ሰላም ንምምፃእ ስለዝኮነ ንሓወርያት"ሰላም ንዓካትኩም ይኩን"ዮሓ 20:19 ብምባል አዛሪብዎም።ሰላም ዝተሰበከ ካብ
ክርስቶስ ምውላድ ጀሚሩ እዩ። ሰላም ዘለዎ ሰብ አይከፋፈልን ሰላም ክርስቶስ እዩ እሞ።"አይሁዳዊ ወይ ናይ ግሪክ ሰብ
የለን ባርያ ወይ ጨዋ ሰብ የለን"ገላ 3:28 ብምባል ኩሉ ሓደ ምካኑ ገሊፁ ክርስትያን ሰላም አለዎ ዝበሃል ክርስቶስ

1
ዝፀልኦ ምፍልላይ ናይ ዘረኝነት ሓሳብ ካብ ውሽጡ እንትወፅእ እዩ።ምፍልላይ ዘረኝነት ናይ ክርስትያን ባህርይ አይኮነን
እዚ ናይ ሰይጣን ስራሕ እዩ ሰብ እንተተከፋፊሉ ብዘርኢ እንተተፈላልዩ አብ ውሽጡ ሰላም የለን ሰላም እንተዘየለ ከዓ
እግዚኣብሄር ካብኡ ይፍለ።ስለዚ ክርስትያን እዚ መንፈስ አጥፊኡ አብ መስቀል ዝተረከበ ሰላም ብምሕሳብ ናይ ፍቅሪ
ህይወት ክላበስ ይግባእ ናይ ሰላም አምላክ ንኩላትና ሰላሙ ይሃበና አሜን።
2. ሓጎስ
ናይ ሓጎስ ኹሉ ፍልፍል ፍቅሪ እዩ ፍቅሪ ድማ እግዚአብሄር እዩ።ደቂ ሰባት ናይ እግዚአብሄር ፍቅሪ እንትሓድሮም ምስ
ኻልኦት ሰባት ብፍቅሪ ይነብሩ ሂወቶም እውን ብሓጎስ ትፀግብ።ካብ ኹክ ንላዕሊ ድማ ናይ ኣብ መስቀል ዝተዋሃብና
ፍቅሪ ብምስትዋስ መወዳእታ መይብሉ ሓጎስ የውህወና ።ፊልጲ 4፥4 ስለ ዝኾነ ብስጋና እንግንዮም ነገራት ገንዘብ,
ፍልጠት,ሃፍቲ.... ወዘት ተላይኾነስ ኣብ መስቀል ልተገብርልና ናይ ምድሓን ሚስጥረ ክኾን ኣለው እግዚአብሄር ንዓለም
ካብ ልፈጠረሉ ጥበብ ንዓለም ልድሐነሉ ጥበብ ስለ ዝበልጽ ፣ስለዚ ድማ ክርስቶስ ልሃበና ዘልኣለማዊ ሓጎስ ስለዝኾነ
ምስናይ ዓለማዊ ሓጎስ ግዜያዊ ዝኾነ ሓጎስ ንጭነቅ ይብልናን ። ማቴ 25:34 “እቲ ንጉስ እውን እቶም ብ የማን ዘለዉ
ከምዚ ይብሎም ንስኻቱም ናይ እቦይ ቡሩኻት ዓለም ካብ ልፍጠር ጀሚሩ ልተዘጋጀወልኩም መንግስትይ ውረሱ”
ንዘልኣለም ደማ ብሓጎስ ይነብሩ ።ሰለዚ ደማ ደቂ ሰባት ናይ ዘልኣለም ሓጎስ ልግኒይሉ መንግስቱ ልምዉራስ ብናይ
ክርስቶስ መስቀል ክማላለሱ ይግባእ።
3. ፍቅሪ
ፍቅሪ ካብ ናይ መንፈስ ፍረ ሓደ እንትኾን እቲ ናይ መጀመርታ ፍረ እዩ። ናይትእዛዛት ኩሉ መፈፀሚ ፍቅሪ እዩ።ካብተን
ዓሰርቲአን (10) ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣፍቅርን ብፃይካ ኣፍቅርን ዝብላ ክልተ ዓበይቲ ሓሳባት እየን። ማቴ
22÷35 ጎይታና ንደቀመዛሙርቱ ዝሃቦም ናይ መጨረሻ ትእዛዝ ፍቅሪ እዩ። 1 ጢሞ 1÷5 ፍቅሪ ኣብ ምድርና ካብ ዘለው
ክስተታት እቲ ዝዓበየ ነገር እዩ። ጎይታና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስናብዛ ምድሪ እዚኣ መፂኡ ንኣዳም ከድሕኖ
ዘገደዶ ነገር እንሃለወ ፍቅርን ፍቅርን ጥራሕ እዩ። ፍቅሪ ዘይብሉ ሰብን ብዘይ ፍቅሪ ዝተገበረ ምግባርንመጨረሽኡ ከንቱ
እዩ። "ብቋንቋታት ሰብን መላእኽትን እንተተዛረብኩ ግና ፍቅሪ እንተዘይብለይ ከም ዝድመፅ ነሃስ፥ወይ ጭልጭል ከም
ዝብል ፀናፅል እየ።"1 ቆሮ 13÷1 "ኩሉ ገንዘበይውን ንድካተት እንተዓደልኩ ሰብነተይ ብሓዊ ንምቅፃል ኣሕሊፈ
ንተሃብኩ ግና ፍቅሪ እንተዘይብለይ ሓደኳ ኣይጠቅመንንእዩ።"1 ቆሮ 13÷3 ፍቅሪ ይቅርታ ገባሪ እዩ "ብናይ ባዕሉ
ምርጫ ካብ ኣቡኡ ጠፊኡ ዝነበረ ውሉድ ምስተመለሰ ኣብኡ የፍቅሮ ስለ ዝነበረ ይቅረ ኢሉሉ።" ሉቃ 15÷11 ፍቅሪ
ካብ ትምኒት ፍፁም ዝተፈለየ እዩ ፍቅሪ ወሃቢ እዩ፤ ፍቅሪ ንካልኦት ምሕሳብ እዩ። ትምኒት ግን ምቅባልእዩ ልዕሊ
ካልኦት ድማ ዓርስኻ እተቅድመሉ ኣጋጣሚ እዩ። ፍቅሪ ናይ ባዕሉ ዝኮነ መግለፂታት፤ ባህርያት ኣለውዎ፦ፍቅሪ ዓቃል፣
የዋህ ፣ዘይትቀንእ ፣ዘይትጀሃር፣ዘይትንፋሕ፣ ዘይተስተሓፍር፣ ዘይናታ ዘይትደሊ፣ ዘይተማርር፣ ዘይትቅየም፣ብሓቂ
ትሕጎስ እምበር ብዓመፅ ደስ ኣይብላን፥ ፍቅሪ ኩሉ ትኣምን፤ኩሉ ትፀውር፣ኩሉ ተስፋ ትገብር፣ ኩሉ ትዕገስ እያ።ፍቅሪ
ብፍፁም ኣይትቋረፅን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱክስዓር ምዝራብ ቋንቋታት ንሱ ክዉዳእ፣ ፍልጠት እንተሎ እውን ንሱ
ክስዓር እንተኮነ እምበር ፍቅሪ ብዝኮነ ኣጋጣሚ ኣይዉዳእን ኣይስዓርን።
4. ፅቡቕ ምስራሕ
ፅቡቕ ምስራሕ እንረኽቦም ካብ ፈጣሪና እዩ ፅቡቕ ምስራሕ የዋህነት ልተመለኦ እዩ። ሓደ ፅቡቕ ተግባር ንሰብ ብሓሳብ
ፅቡቕ ምዃን ይከኣል ፅቡቕ ተግባር ሰብ ብስርሑ ኩሉ ፅቡቕ ስራሕን ይስርሕ ሰብ እንትችግሮ ይርደአሉ ምስ ካሊእ
ፅቡቕ ቃል ተናጊሩ ይምልስ እንተኺእሉ ድማ ካብ ችግር ዝላቐቐሉ መንገዲ ይመርፀሉ ብእግዚኣብሄር ድማ ፅቡቕ
ሓሳብ ዝሓስብ ሰባት ይመርፅ እግዚኣብሄር ኩሉ ጊዜ ኣዕይንቱ ካብ ኣቶም ኣየልዐለን ዝሓለዎም ይክተሎም። ሰሎሙን
ናይ እግዚኣብሄር ገዛ ንምስራሕ ፅቡቕ ሓሳብ እንትሓስቡ እግዚኣብሄር ኣሳኸዐሉ ስለ ፅቡቕ ስራሕ ከምዚ በሎ
‘’ኣዕይንተይን ልበይን ኩሉ ጊዜ ኣብዚ ይነብር’’ ጊዜና 7፥16 ናይ እግዚኣብሄር ፅቡቕ ስራሕ ምስሰረሓ እዩ። ኣብርሃም
ብምንገዲ ድንኳን (ዳስ) ብምትካል ጋሻ እንትቅበል ሥላሴን ድማ ኣጋይሽ ይስተኣናግድ ይክኣል። ፅቡቕ ሰብ ክፍኣት
ብፅቡቕ እንበር ብክፍኣት ኣይምለስን ‘’ክፍኣት ብፅቡቕ የሸንፍ ብክፍኣት ኣይትመልሱ’’ ሮሜ 12፥21 ዝብል ናይ
እግዚኣብሄር ቃል የተሓሳስበና። ‘’ፅቡቕ ሰብ ሓዉ እንትወድቕ ኣይፈርዶሉን ብፅቡቕ ኣቀራርባ ይመኽሮ እንበር ካብ
ስሕተቱ የውፅኦ” ሮሜ 15፥14 ብምባል ባዕልና ንባዕልና ንክንረዳዳእ ይንገረና ፅቡቕ ስራሕ ኩሉ ብፅቡቕ ውፅኢት
ኣለዉ።
5. ትዕግስቲ

2
6. የዋህነት

የዋህ ማለት ዓርስካ ብምትሓት ብልይምምካሕ እሺ ምባል ይርድእ ማቴ 11፥29" ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡" ።
ለዋህ ዝኾነ ሰብ ብምምሳል ዘይነበርን ትኽክለኛ ትሕትና ዝወነነን እዩ ናይ ባዕሉ ሓጥያት እምበር ናይ ኻል ኦት ሓትያት
ዘይናግርን ናይ ሓዉ ሓጥያት ድማ ዝሽፍንን እዩ።ገላ 6፥1 "ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ
ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ
ተጠንቀቕ።"ማቴ 10፥16 "እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡
ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ።" ይዉህና ጥራሕ ትይኾንስ ጥበብ እዉን እዩ ዝድልይና ምክኒያቱ ብንዉህና ናብ ለይኾን
ነገር ንኣቱ ስለ ንኽእል።
7. እምነት
እምነት ማለት እግዚኣብሄር ንደቂ ሰባት ብፍቃዱ ዝገበሮ ነገር ኩሉ ኣሜን ኢልካ ምቅባል ፡እግዚኣብሄር ብስጋዌኡን
ብቅዱሳት መፃሕፍቱን ዝገለፆም ምስጢራትን ትምህርትን ብዘይጥርጥር ምቅባል ዘይራእናዮ ከም ዝራእናዮ ጌርና
እንርደኣሉ መንገዲ እዩ፡፡ እምነት ናይ መጀመርታ መንገዲ ድሕነት እዩ፡፡ ኩሉ እንሰርሖ ስራሕ ብዘይ እምነት
እንተተሰሪሑ ዝሞተ እዩ።ንቶም ናይመጀመርታ ፍጥረት ንኣዳምን ንሄዋንን ብእምነት ዝሕለው ሕጊ ሂብዎም እምነት
በምጉዳሎም ግን ናይ ሞትሞት ሞይቶምእዮም። እምነት ብስጋ ኮነ ብነብሲ ኩሉግዜ ጠቃሚ እዩ።ኮይኑ ግና ተጠቃሚ
ክኮን ዝክእል ካብጥርጥር ነፃ ዝኮነ እምነት እንተሃሊውና እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም እምነታ ፅኑዕ ወይ ጥርጥር
ብዘይ ምህላዋ ክሳብ ወላዲተኣምላክ ክትከውን በቂዓ እያ። ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ጎይታ ብባሕሪ ክከድ እንተሎ
ኣብመጀመርታ ፍፁም እምነት ሒዙ ኔሩ ኣብ ማእከል ምስ በፅሐ ግን ጥርጥር ስለ ዝጀመረ ክጠልቅ
ጀሚሩ።ንዓሰርተክልተ( 12 ) ዓመት ደም ብዘይ ምቁራፅ ዝፈሳ፡ዝነበረ ሰበይቲብዘይ ምንም ጥርጥር ናይ ክዳኑ ጫፍ
ብፍፁም እምነት ኣብ ዝነከኣትሉ ሰዓት እምነታ ተፈፂሙላ ድሓና እያ።እምነት ድሕሪ ምርኣይና እንፍፅሞ ተግባር
እንተይኮነስ ዝረእናዮ ዘይብልና ይኮን ብምባል እንፍፅሞ እዩ። 1 ቆሮ 2÷11 እምነት እንተሃልዩና ጎቦታት ምንቅስቃስ
ባሕርታት ናይምእዛዝ ብሓፈሻ ኩሉ ነገር ይከኣለና እዩ።ማቴ 17÷20 ብሓቂ እብለኩም ኣለኩ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል
እምነት እንተሃልያትኩም ነዝ እምባ እዙይ 'ካብዙይ ናብቱይ ተልዓል !እንተበልኩምዎ ይለዓል ዘይከኣለኩም ነገር ውን
የለን። ማር 9÷23 "ንዝኣምን ኩሉ ይኸኣል እዩ"እምነት ነቲ ብተስፋ እንፅበዮ ነገር ከም እንሰኽቦ ዘረጋግፅ እዩ። ዕብ 11÷1
እምነት ነቲ ብተስፋ እንፅበዮ ነገር ከም እንረኽቦ ዘረጋግፅ ነቲ ዘይረአ ነገር ከዓ ከም ዘሎ ዘረድእ እዩ።
8. ርእስኻ ምግዛእ
ርእስኻ ምግዛእ ሓደ ሃገር ካብ ምምሕዳር ይበልፅ፡፡ ንርእሱ ዝገዝእ ሰብ ካብ ኽፉእ ስራሕ ዝርሓቐ ይኸውን፡፡ ንርእስኻ
ምግዛኣ ማለት ካብ ኽፉእ ተግባር በምርሓቕ ብፅቡቕ ሓሳብ ምንባር ማለት እዩ፡፡ <<ሃገር ካብ ምምሕዳር ንርእስኻ
ምግዛእ ይበለፅ>> ዝተብሃለ ድማ ነዚ እዩ፤ ሃገር ንምምሕዳር ሕጊ ብምውፃእ ብስርዓት ምምሕዳር ይክኣል እዩ፤ ኣብ
ርእስኻ ምግዛእ ዝሰርሕ ሕጊ ግን ካብ ምንም ብላዕሊ ናይ ፍቕሪ ሕጊ እዩ፤ ንሱ ድማ ንእግዚአብሔር ብምእማን ብዕኡ
ብምግዛእ ይፍፀም፤ ሓደ ሰብ እናመንዘረ ተተረኺቡ ስለ ናይ ዝሙት ስርሑ ብስጋዊ ሕጊ ይቕፃዕ፤ ብነፍሱ ግን ሕጊ
እግዚአብሔር ብምጥሓሱ ቕፅዓት ይፅበዮ እዩ፡፡
ርእስኻ ምግዛእ ብኽልተ መንገዲ ክፍፀም ይኽእል፡-
1. ብምርሓቕ 2. ብተጋድሎ
1. ብምርሓቕ:- ሓጥያት ንምስራሕ ዋላ'ኳ ዝተመቻቸወ ቦታ እንተረኸብና ካብ ሓጥያት ምርሓቕ የድሊ እዩ። ዮሴፍ
ሓጥያት ንምስራሕ ምችው ቦታ ኣግንዩ ነይሩ ይኹን ድኣ እምበር ንእግዚአብሔር ብምፍርሑ ካብ ሓጥያት ረሓቐ።
ዮሴፍ ሰብ እንተይኾነስ እግዚአብሔር ይርኤኒ ኢሉ ኣሚኑ እዩ'ሞ። ዘፍ 39፥7-10 ንእግዚአብሔር እሙን ምኻን
እግዚአብሔር ንከኽብረና ይገብር ዮሴፍ ንእግዚአብሔር አምላኹ ብምኽባሩ አብ ምድረ ግብፂ ዝኸበረ ኾይኑ።
ከምኡውን ቅ/ጳውሎስ ካብ ሓጥያት ክንርሕቕ ከምዝግባኣና እንትናገር "ኣብ ዝሞት ስጋኹም ሓጥያት ኣይንገስ" ሮሜ
6፥12 ስጋና ዝተቐደሰ እዩ'ሞ ክውዕል ዝግብኦ ንእግዚአብሔር እዩ። ንስኹም ናይ እግዚአብሔር ቤተ-መቅደሳት ኢኹም
ተባሂልና ኢና'ሞ ንቤተ-መቅደስነት ዘዘጋጀወናን ዝነብረሉን እግዚአብሔር እዩ'ሞ ነዚ ድማ ፤ "እንሆ ኣብ ደገ ገዛኻ
የንኳሕኩሕ አለኹ ዝኾነ ድምፀይ ዝሰምዐ ገዝኡ ድማ ዝኸፈተለይ ናብኡ ይኣቱ ምስኡ ድማ ድራር ይበልዕ" ራዕይ ዮሓ

3
3፥20 ብምባል አምላኽና ገዛና እንተኸፊትናሉ ምሳና ድራር ከምዝበልዕ ይነግረና፡፡ እዚ ድራር ብቅድስና ዝነብርዎ ናይ
መንፈስ ፍረ እዩ፤ እዚ ንምግባር ግን ካብ ሓጥያት እንትንርሕቕ ሰብነትና እንትንቅድስን ትዕዛዛቱ እንትነኽብርን እዩ፤
ከምዚ ዓይነት ሰብ ካብ ሓጥያት ይርሕቕ እዩ'ሞ፤ ሓጥያት ምስ ዝሰርሕ፣ ንእግዚአብሔር አምላኩ ምስ ዘይፈርሕ፣
ንሕጊ እግዚአብሔር ምስ ዘይግዛእ ኣይሓብርን፤ ምስ ናይ ባህሪ አምላክና እየሱስ ክርሰቶስ ብምሕባር ካብ ሓጥያት
ብምርሓቕ ርእስና ብምግዛእ ብሃይማኖት ፀኒዕና ክንነብር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን፡፡ አሜን!!
2. ብተጋድሎ፡- ተጋድሎ ዘድሊ ምስ ክነሸንፎ እንኽእል ነገር እዩ፤ ምስ ኹሉ ነገር ተቓሊስኻ ምሽናፍ ዋላ ኣይንኽኣል
ይኹን ድኣምበር ንቃለስ ኣብ ዝግብኣና ቦታ ግን ክንቃለስ ግቡእ እዩ፤ ኣንሕና ክንፍፅሞ ዝግብኣና ተጋድሎ
እንተዘይፈፂምና ግን ድያብሎስ ናይ ሓጥያት ምርዃት በምግባር ምስ አምላኽና ከፃልአና ስለዝኽእል፤ ሰናይ ተጋድሎ
ብምግዳል ንድያብሎስ ብምሕፋር ምስቲ ቅዱስ ዝኾነ ኣቦና ብምሕባር ንክንነብር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና፡፡ አሜንን!! ‹‹
የማነይቲ ዓንኸ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ኣውፂእኻ ደርብያ፡፡ ኹሉ ስጋኻ ኣብ ገሃነም ካብ ዝኣቱስ፡ ሓንቲ ኣካልኻ እንተ
ጠፍአት ይሕሸካ፡፡›› ማቴ 5፥29 እዚ ናይ ጎይታና መድሓኒትና እየሱስ ቃል ብምሕላው ንሓጥያት ተቓሊሶም ዘሸነፉ
ኣቦታት ንርኢ ተለና ናይና ደካማ ሕይወት ንምልከት ይኹን ድኣምበር ብኹሉ ምግባር ዘኽእለና ፍቁር ኣምላኽናን
ብናይና ንእሽተይ ተጋድሎን ከምዝሽነፍ ንምልከት፡፡ ንሓጥያት ተቓሊስና ክመሸንፎ ዝግብኣና ጊዜ ክህሊ ይኽእል፤
ኣብዚ ጊዜ እሱ ድማ ንእግዚአብሔር አምላኽና እናለመንና ንሓጥያት ተቓሊስና ክነሸንፎ ይግባእ እምበር ሓጥያት
ንክስዕረና ቦታ ክንህቦ ኣይግባእን፡፡ አሜን!!
9. ሕያዋይነት
ሕያዋይነት ናይ ልግስና ባህሪ ካብ ሰባት ዝተረከበ ኣይኾነን ፥ካብ እግዚአብሄር ዝዋሃብ ስጦታ ድኣ ድኣ እምበር ።ናይ
ወዲ ሰብ ስጦታ ኹሉ ግዜያዊን ሓላፍን እዩ።ቸርነት ግን ናይ እግዚአብሄር ስጦታ ስለዝኾነ ዘይሃልቅ ብግዜን ቦታን ዘይ
ግደብ እዩ።ቸርነት ንክንፈልጥ መጀምርታ እግዚአብሄር ምፍላጥ ይድብአና። መዝ 33:8 “ እግዚአብሄር ሕያዋይ
ከምዝኾነ ጥዓሙ ርአዩ,ብዑኡ ዝኣምን ድማ ምስጉን እዩ“

3.2 ናይ ስጋ ፍረ
1. ክርክር
ናይ ሓሳብ አፈላላይ ዘለዎም ክልተ ሰባት ዝፍጠር ሓሳብ እዩ። ክርክር እናዓበየ እንትከድ ናብ ሓጥያት
የእቱ።ብሓሳብ ዘይተረዳድኡ ሰባት ይበአሱ ይፈላለዩ ይቃተሉ እዚ ዝኮነ ክርክር ብምፍታው ዝተልዓለ እዩ።318
ሊቃዉንቲ ከምዝገበርዎ አብ ሃይማኖት ጉዳይ ዝአምኑ ምስ ዘየአምኑ ንምፍላይ ዝግበር ክርክር ብስርዓትን
ብመንፈስ ቅዱስ ፍቃድን እምበር ብዘይ ጉባኤ ብዘይስርዓት ዝተገበረ ክርክር አይነበረን ብስርዓት እዩ። ክርስትያን
ክርክር ከወግድ ይግባእ እዚ እንተኮይኑ እምነት እስካብ ምክሓድ ክብፅሕ ይክእል።ቅዱስ ሚካኤል ምስ ዲያብሎስ
እንትከራከር ምስዓርን ምእማን እናከአለ እሱ ግን ክርክር ብምፅላእ ካብኡ ክርሕቅ ብእግዚአብሔር ስም ገሲፅዎ።
ምስ ዘይመስለኩም አብ ዘይሙቹ መንገዲ አይትኪዱ ከምዝተብሃለ ክርክር ዘልዕሉ ንዓና ምስዘይመስሉ ሕብረት
ምግባር መጨረሽኡ ፅቡቅ አይኮነን ናይ ቤተ ክርስትያን ት/ቲ ንመሃሮ ምስ መናፍቃን ንክንከራከር ዘይኮነስ ዓርስና
ካብ ናይ ክሕደት ት/ቲ ንምሕላዉ እዩ ዘይፈለጡ ንምፍላጥ እምበር ሓደ ክልተ ጥቅሲ ሒዝካ ክርክር ንምፍጣር
አይኮነን ክርክር ሓጥያት እዩ።ክርስትያን አይኮነን ክርክር ክከራከር ዓርሱ ናብ ክርክር ዝወስድ ነገር ኩሉ ክሕሎ
ይግባእ።ክርክር አብ መንፈሳዊ ኑሮ ጥራሕ ዘይኮነስ አብ ስጋዊ ኑሮና እውን ጉድአት የምፅእ ናብ ፅልኢ እዉን
የእቱ።ክርክር አብ ዝተልዓለሉ ቦታ ሰይጣን ቡዙሕ ናይ ፅልኢ ዘዴ ብምፍጣር ብሓሶት ሰባት ምፅላእ ይፈጥር ።ዮሓ
8÷44 ሓሶት ክዛረብ እንተሎ ካብ ባዕሉ እዩ ዝዛረብ ሓሳዊ፡ናይ ዲያብሎስ እዩ እሞ። ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ከም ነንቦ
ፈሪሳውያን ምስ እየሱስ ክርስቶስ ክርክር እንትገጥሙ ንሪኢ ።ማቴ 21÷23
2. ጣዖት ምምላኽ
ጣዖት ምምላኽ ማለት ነቲ ዓለም ቅድሚ ምፍጣራ ዝነበረ ሐዚ ውን ዘሎ ንቀፃሊ ዉን ዝነብር ፣ ነተን ዒስራ
ዓለማት ን (20 )ዕስራንክልተን (22)ፍጥረታትን ዝፈጠረ ነቲ ንሓደ ንብሉፅ ወዱ ልኢኩ ንዓለም ዘድሓነ እግዚኣብሄር
ኣምላኽካ ገዲፍካ ንግኡዝ ነገር ማለት ሰይርካዮ ክስበር ዝክእል ብወዲሰብ ዝተሰርሐ ፤ፀገምካ ክፈትሐልካ ዘይክእል
ቅርፂ ምእማን ማለት እዩ። ጣዖት ምምለክ ነታ ናይ ትእዛዛት መሰረት ዝኾነት ቀዳመይቲ ትእዛዝ እተፈርስ
እያ።እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብኡ ወፃኢ ንከይንኣምን ኣረጋጊፁ ነጊሩና እዩ። ዘፀ 20÷3 ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ

4
ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሃልውኻ። ዘፀ 20÷5 ዝኾነምስሊ ንኣኻ ኣይትግበር፣ኣይትስገደሎም ኣነ
እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቀናኢ ኣምላኽእየ እሞ። ጣዖት ምምላኽ ንስጋና ይኩን ንነብስና ምንም ዝጠቅመና ነገር
የብሉን እኳደኣስ ይጎድኣኣና እምበር።ንጣዖት እነቅርቦ መስዋእቲ ጎዳኢትና እዮም። ንኣብነት እስራኤላውያን ጣዖት
ኣብ ዝሰርሕሉ እዋን ዓፅሞም ዘይደልደለ ህፃውንቲ ይስውኡን ብኣእጋሮም ይረግፅዎምን ኔሮም ። ጣኦት ምምላኽ
መፈፀምትኡ ቅፅዓት እዩ። እስራኤላውያን ጣኦት ብምምላኾም ተቀፂዖም እዮም። ዘዳ 32÷15-29 ፈርኦን
ጣኦትብምምላኹ በኹሪ ወዱ ሲኢኑ።
3. ፅልኢ
ፅልኢ ዝተጀመረ ኣዳም ዕፀ በለስ ካብ ዝበልዕ ንደሓርኮይኑ በዚ ምክንያት ሓጥያትብሓደ ሰብ ናብዓለም ኣተወ።ሮሜ
5÷12 ፅልኢ ብኣዳም መፂኡ እንትንብልግን ናይፅልእን ክፍኣትን ኣቦ ብዝኮነእዩ። ዮሓ 8÷44 ኣዳምብዝሰርሖ ስሕተት
ግንምስ ኣምላክ ጥራሕ ተይኮነስ ምስ ቅዱሳን መላእክቲ እውን እዩ ተፀሊኡ።ነገር ግንናይሰብ ውድቀት ዘይፈቱ
ኣምላክ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ቤዛኡ ኮይኑ ካብ ፅልኢ ባዕሉተዓሪቅዎን
ኣተዓሪቅዎን እዩ። ሉቃ 2÷8-14 ፅልኢ ናይ ሰይጣን ስለ ዝኮነ ክርስቲያን ንፅልኢ መበጠሲ ዝኮኑ ክውግድ ኣለዎ። ናይ
ደቂሰባት ፅልኢ ምስ ስጋንደምን ተይኮነስ ናይ ፀልማት ሓለቃ ምስ ዝኮነ ሰይጣን ክኮን ይግባእ። ኣብርሃም ምስ
ሓውሎጥንዘይምብኣስ ምፍልላይ ከምዝመረፀ ንሱብየማን እንትከድ ብፀጋም ክከድ ብፀጋምተኮይንካ ብየማን ክከድ
ከም ዝበሎ። ዘፍ 13÷9 ምሳ 17÷1 ስለዚ ንዘይ ምፅላእ ቅድሚንዓይንሓይክንብል ይግበአና። ንፅልኢመበገሲዝኮነ ሓደ
ወረ እዩ።ካብፅቡቅ ወረ ክፉእ ወረ ፈሊና እዪ።
4. ወረ
ናይ ፅልኢ ዓብዩ መበገሲ ወረምስማዕ እዩ። ወረ ክሳብምቅታል ዘባፅሕ ስለ ዝኾነእዩ።ናይ ሰብ ፀባይ እናነቀፍካ
ዓርስኻ ፈታዊ ዝገብር እዩ። ነገርግን ክፉእ ፀባዩ ንባዕርሱ ምንጋር ናይፈላጥ ስራሕ እዩ። "ኣቱም ኣሕዋተይ
ንስንሳትኩም ኣይትተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዝሓዉ ዝፈርድ፥ንሕጊ እግዚኣብሄር እዩ ዝሓሚ፤ ኣብልዕሊ ሕጊ
እውንይፈርድ ንሕጊ ትፈርድእንተድኣ ኮይንካ ፈራዲእምበር ፈፃሚ ኣይኮንካን።"ያዕ 1÷11 ክርስቲያን ኣብሓውናይ
ፅልኢ ወረ እንትጅምር ኣብሓው ኸም ዝፈርድ እዩ።ነገርግን ሓውካ ምፍራድክልኩል እዩ።ምኽንያቱ ፈራዲ ኣምላክ
እዩእሞ።ወረ ኣብቅድሚ እግዚኣብሄር ኣፀያፊ እዩ። ንዝሰምዖን ንዘሰምዖን ኣብስሕተት የእቱን ካብ
እግዚኣብሄርኣምላኽ ውን የውፅአካ።
5. ዘይኮነ ፅልኢ
ፅቡቅ ሕማቅ ፅልኢ ዝበሃልየለን ክርስቲያን ኩሉ ብፍቅሪ ምንባር ሓጥያተኛ ተይኮንናስ ሓጥያት ክንፀልእ እዩ
ዝግበአና።ንዓና ብእምነት ዋላ ንዘይ መስሉና ኣብ ስርሖም ንዘይ ምሕጋዝ እምበር ኣብ ዝበፅሖም ፀገም
፣ሽግርክንረድኦም ይግበአና እዩ ፀገሞም ክንፈትሐሎም እና ከኣልና ሱቅ ምባል ናይ መድሓኔ ዓለም ስራሕ ፍቅሪ
ምርሳዕ እዩ። ምኽንያቱ ንሕና ካብ ሓጥያትና ኣይነፃህናን ብዘይ ምንፃህና ከመይጌርና ንሰብ ንውንጅል ንክእል ደኣ፤
ሓደሓደ ግና ከልእ ከመይ ጌሩ ከምዝፀልኦ ተይፈለጠ ይፃላእ፤ ነገር ግን ወረ ብምስማዕ እዩ። ብዘይ ሓደምክንያት
እንተኮነ ሓውኻ መዓዝ ተጀመረ? "ኣብሰማያት ዘሎ ኣቦኻትኩም ንክትኮኑ ንዝፀልእኹም ፅቡቅግበሩ ስለ እቶም
ዝፀርፋኩምን ዘሳጉጉኩምን ፀልዩ፥እብለኩም ኣለኩ "ማቴ 5÷44 ፅልኢን እግዚኣብሄር ዘይኣምኑ ናይ ኣህዛብ ወገን
ስራሕ እዩ። "ሰይጣን ካብ ዝፈትወካ ኣብ ዓለም ተትነዓቅ ይሕሸካ"ናይዓለምና ናይሰይጣንን ፈተዉቲምስ
እግዚኣብሄር ሕብረትየብሎሙን።ዓለሙንንብረቱን ኩሉ ይጠፍእ እግዚኣብሄርን ናይ እግዚኣብሄር
ዝኮኑግናንዘልኣለም ይከብሩ። መዝ 17÷3 ናብቲ ሞሳ ዝግበኦ እግዚኣብሄር ተማህለልኩ እሞካብ ፀላእተይ ደሓንኩ
6. ርኹሰት
ብኦሪት ዘመን ርኹሰት ብጣዕሚ መፍርሒ ነገር እዩ፤ ነዚ ድማ ማንም ሰብ ርኹስ ዝኾነ ምንም ነገር ኣይቐርብን
ነይሩ፤ ንሰብ እውን ርኹስ ተባሂሉ ካብ ሰባት እንተተገሊሉ ማንም ሰብ ምስኡ ኣራኸብን፡፡ ንኣብነት ዝሞተ ነገር
ምንኻእ የርክስ ስለዝነበረ ማንም ኣይነኽእን ነይሩ፤ እንኳን 'ዶ ብኢዶም ክነኽእዎ ብኽዳኖም ንከይነኽእዎ ይጥንቀቑ
እንተዘይኾይኑ ግና ይረኹሱ ነይሮም፡፡ ዘሌ 11፣12 ን 13 ርኹሰት ብኸሉ ይፍራሕ ስለዝነበረ ሰባት ኣብ ዕለት ዕለት
ዝሰርሕዎ ተግባሮም ብምሉእ ጥንቃቄ ንከይረኽሱ ሕጉ ይሕልዩ ነይሮም፤ ኣብ ልዕሊ እየሱስ ክርስቶስ ንምፍራድ
ናብ ጲላጦስ እንትወስድዎ እኳ ንከይረኽሱ ብምሕሳብ ኣብ ደገ ብምዃን ንጲላጦስ እውን ናብ ደገ ብምውፃእ እዩ

5
ኣናጊርዎም፤ እቲ ዘርክስ ግን ኣብ በዓል መዓልቲ ናብ ጲላጦስ ምኻድ ድዩ ወይስ ነቲ ምንም ሓሶትን በደልን ኣብ
አንደበቱ ዘይተረኸቦ አምላኽና መድሓኒና እየሱስ ክርስቶስ ንሓሰተኛ ፍርዲ ናብ ጲላጦስ ምውሳድ እዩ፤ አምላኽና
ግን እዚ ዝረኸሰ ናይ ሰብ ኽፉእ ባህሪ ኣጥፍኦ ‹‹ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ፆሮ፡ ንስቓይና ኣብ ነፍሱ ፀዓኖ›› ኢሳ 53፥4
ሰብ ክርኽሶ ካብ ዝኽእል ምንም ነገር ክፍፅም የብሉን፡፡ ከርኽሰካ ዝኽእል ናይ ሓጥያት ትምህርቲ ምምሃር ኣብ
ቅድሚ እግዚአብሔር ዝተፀልአ እዩ፤ ‹‹ናይ ፈርኦን ጠቢባን ና ርኹሰት ትምህርቲ ነበሮም፤ ፈርኦን ና ባዕሉ
ኣስማተኛ ፣ ጠንቋሊ …ወዘተ ነይሮሞ ነገር ግን ኣይጠቐምዎን እኳ 'ድኣስ ንጥፍኣት ኣጋለፅዎ እምበር›› ዘዳግም
7፥11-13 ናይ ርኹሰት ተግባራት ኹሎም ኣብ ቕድሚ እግዚአብሔር ዝተፀልአ እዩ፤ ከምኡዉን ናይ ዘልዓለም
ሕይወት የስእን፡፡ ‹‹ናብታ እግዚአብሄር ኣምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም
ክትገብር ኣይትመሃር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዘሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዝፈልጥ ወይ
ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዝጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዝጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ
ዝገብር ኵሉ ኣብ እግዚአብሔር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚአብሔር ኣምላኽካ ካብ
ቅድሜኻ ዝሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላክኻ ምሉእ ኩን።›› ዘዳግም 18፥9-13 ካብ ርኹሰት ብቅድስና
ተፈሊና መንግስቱ ወረስቲ፥ ንስሙ ቀደስቲ ንክንኾን ጎይታና መድሓኒትና እየሱስ ክርስቶስ ይርድኣና፡፡ አሜን!!
7. ቅንኢ
ዘይብልካ ክህልወካ ብምሕሳብ ምጭናቅ ናይ ወዲ ሰብ ፀባይ እዩ።ሰብ ናይ ባዕሉ ዘይኮነ ነገር ብምንታይ መንገዲ
ከሕልፎ ከም ዝክእል እንድሕር ዝሓስብ ወይ ድማ ናይካ ዘይኮነ ነገር ክትምነ ከላካ ቅንኢ ይበሃል።ቅንኢ ፪ ውፅኢት
ክህልዎ ይኽእል።መንፈሳዊ ቅንእን ሰይጣናዊ ቅንእን ተባሂሎም ኣብ ክልተ ይምደቡ።
ሀ)መንፍሳዊ ቅንኢ፥- ቅኑዓት ሰባት ዝሓስብዎ ሓሳቦም ከዓ ፅቡቕን ካልኦት ዘይጎድእ ፍቓድ እግዛቢሄር እንሓተሉ
ቅኑዕ ሓሳብ እዩ።ክርስትያን ካልኦት እንትዝምሩ፣እንትፆሙ፣እንትቐዱሱ፣እንተምህሩ ወዘተ ዝኣምሰሉ እንትርኢ
እሱ እውን ኣብ ናይ እግዚኣብሄር ቤት ከምኡ ንከገልግል ይቀንእ። ንኣብነት፥ -ሙሴ ፀሊም ሽፍታና ሌባ ዝነበረ ናብ
ሙንኩስና ህይወት ዝኣተወ ኣብ ገዳም ዘለው ኣቦታት ብምርኣይ ናቶም ቅድስናን ትሕትናን ስሒብዎ። -ሐወርያ
ናትናኤል ናይ ፊሊጶስ መንፈሳዊ ኣርኣያ ተከቲሉ። -ብሰማዕቱ ቅዱስ ጊዮርግስ መንፈሳዊ ህይወትን ጥንካረን
ዝተማረከት ናይ ንጉስ ዱዲያኖስ ሰበይቲ ወዘተ ክጥቀሱ ይኽእሉ። "ኣቱም ፍቑራተይ እቲ ምእንቲ ፅቡቕ ፍቓዱ
ኢሉ ኣባኻትኩም ድሌትን ግብርን ዝገብር ኣምላኽ እዩ።"ፊሊ 2፥13 ብስጋዊ ድማ ከም ሓወይ
ዲፕሎም፣ዲግሪ፣ስራሕ እንሓስበሉ ክስተት መንፈሳዊ ቅንኢ እዩ።
ለ)ሰይጣናዊ ቅንኢ፥-ካብ ስስዐ ዝተልዓለ እንትኸውን ሓደ ነገር ናይ ባዕለይ ይኹን ኢልካ ምሕሳብ ወይ ናይ ብፃይኻ
ሓጎስ ዘይምድላይ ብቁሳዊ ይኹን ብተፈጥሮ ኣነ ክበልፅ ምባል እዩ።ንኣብነት፥ናይ ያዕቆብ ደቂ ብሓዎም ዮሴፍ
ቀኒኦም ንዮሴፍ ንግብፂ ኣሕሊፎም ሽይጦሞ።ንኣቦኦም ከዓ ወድኻ ሞይቱ ኢሎም ዝመረረ ሓዘን ክሓዝን
ገይሮምዎ።"ብሓቂ ኣነን ኣዴኻን ኣሕዋትካን መፂኢና ኣብ ምድሪ ክንሰግደልካ ኢና።ኣሕዋቱ ከዓ ቀንእሉ ፣ኣቡኡ ግን
ነዚ ነገር ኣብ ልቡ ዓቒርዎ ነበረ።"ዘፍ 37፥11 ብሓፈሻ መንፈሳዊ ቅንኣት ክብሪ፣ፀጋ ዘብዝሕ ናይ እግዚኣብሄር ህያብ
ስለዝኾነ "ንዝትብለፆ ፀጋ ፀዓር "እሳ ድማ ሰመያዊት ቤትና እያ።ክርስትያን ብዘይረኽቦ ነገር እካ ክቀንእ ቀርዩ
ክረኽቦ ብዝኽእል ነገር እውን ንብፃዩ ምንም ዓይነት ጉድኣት ኣይፍፅሚ ካብ እግዛቢሄር ዘይተውሃበ ነገር ኩሉ
መፈፀምትኡ ጥፍኣት ምኻኑ ይፈልጥ እዩ።
8. ቁጥዐ
እዚ ዓይነት መንፈስ ትዕግስቲ ዘይብሎም ብምንዳድ ኩሉ ነገር ምዕዋት ዝከኣል ዝመሰሎም እዮም።ቁጥዓት ሰባት
ኣብ ዘድሊ ኮነ ኣብ ዘየድሊ ነገር ይናደዱ።ቁጥዐ ንመንፈሳዊ ህይወት ዕንቅፋት ክኸውን ስለ ዝኽእል ካልኦት
መንፈሳዊ ምግባር ኣይከኣሊ።ፍቁራት ኣሕዋተይ "እዚ ትፈልጡ ኢኹም ቁጥዕ ሰብሲ ፅድቒ ኣምላኽ ኣይገብርን
እዩ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ ፣ንምዝራብ ደንጋዪ ፣ንኹራ ደንጋዪ (ንኹን ያዕቆብ
1:20)ከይተቆጣዕና ተግሳፅ ምኽሪ ሓሳብን ምግላፅ፣ካብ ኣፍና ሕማቕ ከይወፀ ብረጋዕታ ምግላፅ ምኽኣል ኣብ ሞንጎ
እስኻን ካልኦትን ድማ ፍቕሪ ይስስን።
9. ምስካር

6
መስተ ካብ ልክዑ ንላዕሊ ፣መጠኑ ዝሓለፈ ምስታይ ማለት እዩ።"ብዓቕሙ ዝበልዕ ብሰላም ይሓድር"ከም ዝተብሃለ
ስካር ናይ እግዛቢሄር ሕጊ ክንጥሕስ ዝገብር ናይ ሓጥያት ተግባር ከምኡ እውን ገንዘብና ብዘይ ኣገባብ
ምብታን፣ህይወትና ንምምራሕ ዘፀግም ንሕማም ክሳብ ሞት ከብፅሐና ዝኽእል እዩ፡፡መስተ ምስታይ ይፍቐድ ክበሃል
ከሎ ክሳብ ክብርና ንስእን ከይኮነ ብመጠኑ ንክንሰቲ እዪ።መስተ እናሰተና ብዝኸድና ቁፅሪ ባዕልና ሕልናና ምቁፅፃር
ስለ ዘይንኽእል እንሰርሖ ነገር ምፍላጥ ይሰኣነና።ስለዚ በደል ክንፍፅም ይገብረና። ንኣብነት፥ ሎጥ ምንም ዓይነት
ክፍኣት ሓሲቡ ተዘይሰተየ ካብ ልክዑ ኣሕሊፋ ብምስታዩ ካብ ሓጥያት ዝረሓቐ ተነበረ ሓጥያት ፈፂሙ እዩ።ሎጥ
መስተ ኣብዚሑ ብምስታይ ምስ ደቁ ኣብ ዝሙት ወዲቑ እዩ።ዘፍ 69፥30-38።መ.ዕዝ ካ.3፣18-22 ልክዑ ዝሓለፈ
መስተ ንስኻር የብቀዐና፣ባዓልና የረሰዐና፣ብኻልእ ሰብ የምርሐና፣ሕርቃን የልዕለና። "ዋይዋይታ ንመን እዩ ?ሐዘንከ
ንመን እዩ? ባእሲ ንመን እዩ ? ምስቁራር ከ ንመን እዩ? ብዘይ ምኽንያት ምቁሳል ከ ንመን እዩ? ምቕያሕ ዓይኒ ንመን
እዩ?ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዝድንጉዩ ፣ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ክመርፁ ዝእክቡ እዩ።ወይኒ ምቕያሑ ፣ኣብ ብርለ
ምውዕዋዑ ፣ጥዒሙ ምውራዱ፣ኣይትጠምቶ አብ መወዳእታ ከም ተመን ይነክስ፣ከም ዑፍ ሕንዙ ፋፍ
የብል፣ኣዕንትኻ ሕውዝ ይብላ ልብኻ ጠዋይ ነገር ይዛረብ፣ኣብ ውሽጢ ባሕሪ በጥ ዝበልካ ኣብ ጫፍ ደቀል ከም
ዝደቀሰ ትኸውን፣ወቒዖምንስ ኣይተሰማዓንን፣ዘቢጦምንስ ኣይተፈለጠንን፣መኣዝ ክነቕሕ እየ፣መሊሰ ክደልዮ
እየ።"ምሳሌ 23፥29-35 ስኻር ናይ ምትሕስሳብን ምፍቅቓርን መንፈስ የጥፍእ።መብዛሕቲኡ ደቂ ሰባት ንፀገሞም
፣ንጭንቀቶም መፍትሒ ይገብርዎ፤ዝኸፍአ ሳዕቤን የሕድር እምበር ንዝሙት፣ኤች.ኣይ.ቪ ካልኦትን
የቓልዕ።ክርስትያን ካብ ስኻር ነፃ ኮይኑ ህይወቱ ክመርሕ የድልዮ ንባዕሉን ካልኦትን መርኣያ ክኸውን ኣለዎ።
10.ደርፊ
ንእግዛቢሄር ክንህቦ ዝግበኣና ክብሪ ንሰብ ብምሃብ ንኣምላኽና እነቕርቦ ምስጋና ዘንጊዕና ሰብ እነመስግነሉ ናይ
ሓጥያት መሳርሒ እዩ።ደርፊ ዝፎቲ ሰብ በደል ይሰርሕ እዩ።ሰብ ዝተፈጠረ ንእግዛቢሄር ንምምስጋን ከም ዝኾነ
መጠን ኩሉግዘ ኣምላኹ ከመስግን ኣለዎ።ቅዱስ ዳዊት ኣፍና ምስጋና ክንመልእ ይእዝዘና "ኣፈይ ብምስጋና ሙላእ"
ይብል። ሄሮዶስ ዝፈርሖን ዘኽብሮን ዝነበረ መጥምቐ ዮሃንስ ክሳዱ ቆሪፁ ንጋል ሄሮዳድያ ሂብዋ እዚ ድማ ንሰብ
ልዕሊ ቅዱስ ብምምስጋኑን ደርፊ ብምፍታውን እዩ።ዝሙት ካብ ዘስፋሕፍሕ ቀንዲ ምኽንያት ደርፊ እዩ።ካብ ናይ
ደርፊ ሓጥያት ሓልዩ ንምስጋና ጥራሕ እነመስግነሉ ኣንደበት ይሃበና
11.ምንፍቅና
መናፍቅ ማለት ተጠራጢሩ ዘጠራጥር ወይ ተጠራጣሪ ማለት እዩ።እዚ ድማ ብስጋና እንደልዮ ሰናይ ልመናን
ስእለትን ከንቱ ዝገብረልና ንክንጠራጠር ዝገብረና ተጠራጣሪ እዩ።ምንፍቅና ድማ ጥርጣረ ፣ዘይምእማን ኮይኑ
ነፍስናን ንስጋናን ጥፍኣት እዩ።ሰብ ናብ እግዚኣቢሄር ፀሎት ክገብር ከሎ ብመጀመርያ ፈቓድ እግዚኣቢሄር
ብምሕታት ዝለመንክዎ ክኾን እዩ ብምባል እምበር ክኾን እዩ ዝዓይነቱ ፀሎት ዝገብር እንተኾይኑ ተጠራጣሪ ወይ
መናፍቕ የፀውዖ እዩ።" ኢየሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ኪድ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ በሎ። እቲ ቘልዓ ከኣ በታ ሰዓት
እሳ ሐወየ።"ሊቃውንቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ፫ ጉባኤ መናፍቓን ዘይኣምንሎም ኢሎም ስያሜ ዝሃብሎም
ምኽንያታት
 ኣምልኽና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስጥረ ተዋህዶ ምውላዱ( ምስጥረ ስላሴ፣ምስጥረ ስጋዌ)
 ኣምልኽና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድስት ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ምኻና
 እግዚአብሄር መድሓኒ ዓለም ምኻኑ ምጥርጣር (ብመተት፣ብጥንቆላ፣ብድጋም፣ኣስማተኛ ብምእማን)
ምንፍቅና ጥበብ ኢሎም ይፅውዕዎ ይኹን እምበር ጥበብ ዘይኮነ ጉድለት እዩ።

ጥበብ ዝበሃል ከም ናይ ሙሴ በትሪ ዘጽ 60፥16-24፣ጴጥሮስ ሐናንያን ሲጳርያን ሞት ከምዝተንገረ ግ.ሀ 5፥1-5


፣ኤልሳ ናይ ግዝያን ሐሰት ከም ዝፈለጠ 1 ይ ነገስት ካብ እግዛቢሄር ፅቡቕ ጥበብ እምበር ሕማቕ ጥበብ የለን።ምስ
እግዛቢሄር ዝኮነ ናይ እግዛቢሄር ይሰምዕ።ምስ ሰይጣን ዝኮነ ምቅኝነት፣ክፍኣት፣ተንኮል ዝ/ዩ ሕማቕ
ይመሃር።"ንሳቶም ፣ኣቦናስ ኣብርሃም እዩ ኢሎም መለስሉ ።ኢየሱስ ከዓ ውሉድ ኣብርሃም ተትኾንስ ግብሪ
ኣብርሃም ምገበርኩም ኔርኩም ።ሐዚ ግና ንዓይ፣ካብ ኣምላኽ ዝሰማዕክምዎ ሓቂ ንዝነገርኩኹም ሰብኣይ
ክትቐትሉኒ ትደልዩ ኣለኹም ።ኣብርሃም ከምዚ ኣይነበረን ።"ዮሐ 8፥39-፵ ስለዚ ምንም ዓይነት ነገር ብእምነት

7
መሰረት ከም ዝግበር ይንግረና።መብዛሕቲኡ ግን መናፍቃን ኢሎም ዝፅውዕዎም ካብ ቤተ ክርስትያን ዝተፈለዩ
ጥራሕ እዩ፤ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ውሽጢ ተቐሚጦም ንእግዚኣብሄር ክብሪ ዘይህቡ ካሊእ እምነት ዘራምዱ
ብዙሓት እዮም።ኣምልኽና መድሓኒትና ኢየሱስ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን ብውሽጢ ይኹን ብደገካብ ዘለው
መናፍቃን ይሓልወልና ኣሜን።

12. ፍልልይ
ሓደ ምስ ሓደ ዘይምርድዳእን ምክፍፋልን እዩ። ቀንዲ ምኽንያት ናይ ምፍልላይ ሰብ ናይ ባዕሉ ድሌት ጥራሕ
ብምቅዳሙ እዩ። መጀምርያ ፍልልይ ዘምፅአ ሰይጣን እዩ።ፍጡር ምኻኑ ዘንጊዑ ፈጣሪ ክኸውን ናይ ባዕሉ ድሌት
ብምቕዳም ተፈልዩ። "ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን
መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም።ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን።"ራዕ 12፡7-8 ስለዚ
ፍልልይ ካብ እግዚኣብሄር ዝመፀ ኣይኮነን።ሰብ ብዙሕ ግዜ ዝፍለ ካብ ዝጥቀሞ ነገር እምበር ካብ ሓጥያት
ኣይኮነን።ሓጥያት ሰሪሕና ካብ ሓጥያት ርሓቁ እንትንበሃል ክንሕጎስ እምበር ክንሓዝን የብልናን።"ስለ ስሙ መከራ
ተዝበፅሐኩም ተዓገሱ"ዝተብሃለ ቃል ክንሓስብ ይግባእ።"ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ፍጠን። ዴማስ፡ ነዛ ዓለም
እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሐደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደ። ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ናብ ደልማይታ ኸዱ።"2 ይ
ጢመ 4:9 " እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ፡ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ
መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሓዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል
ህይወት ክህበካ እየ።" ራዕ 2:11።" ሰነፋት ኩሉ ግዘ ተሰናዲኦም ከይፀንሑ ኣብ ቤተ ክርስትያን ውሽጢ መከራና
ፈተና ከም ዘሎ ዘንጊዖም ጦር ሰይፊ ከይተመዘዞም ብወረና ኣሉ ባልታ ካብ ናይ እግዛቢሄር ኣፍ ደገ ይርሕቁ።እስካብ
ንመውት ተኣመንቲ ክንኸውን ኣይኮነን ንእሽተይ መከራ ክንሰምዕ ከለና ንድንግፅ።" እግዚኣብሄር ሰናይን ቅኑዕን እዩ፣
ስለዚ ንሓጥኣን መገዱ ኺምህሮም እዩ።" መዝ 25:8 ምስ እግዚኣብሄር ምንባር ካብ ማንም፣ምንም ብላዕሊ
እዩ።ምስ ሰናይ ብፃይ ዝውዕል ካብ እኩይ ስራሕ ይፍለ ምስ እኩይ ዝውዕል ግን ካብ ሰናይ ተፈልዩ ይነብር።" ጽድቂ
ዘይገብር ንሓዉ ዘየፍቅርን ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፡ ውሉድ ኣምላኽን ውሉድ ድያብሎስን በዚ እዮም ዚግለጹ።" 1 ይ
ዮሃ መልዕኽቲ 3:10 ስለዚ ካብ ሕቑፊ ኣቦና ኣይንፈለ።
13. ኣመንዝራነት
ኣመንዝራ ንስጋን ልነብስን ዓብይ ጉድኣት ካብ ልምጽኡ ናይ ስጋ ፍረ ሓደ እዩ ደቂ ሰባት ኣብ ልዕሊ ስገኦም
ዝሰርሕዎ ብደል እንትኸዉን ምስ እግዚአብሄር ድማ ይባእሶም። 1 ይ ቆሮ 6:13 “ስጋ ንጎይታ ፡ ጎይታ ዉን ንስጋ
እዩ እምበር ስጋስ ንምንዝራ ኣይኹነን” ከምዝተባሃለ ንዝንግዕ ይብልናን።ሰባት ስውነቶም ቅዲሶም ክነብሩ ኣለዉም
ድኣ ኣምበር ብሓትያት ክርክስ ኣይትፈቅድሉን ምክኒያቱም ብዓርሱ ልግነዮ ኣካል ይለን እሞ። 1 ይ ቆሮ 3፥16 “ናይ
ኣምላኽ ቤተ ምቅድስ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኹም ከምዝሓደረ ኣይትፍርልጡን ዲኹም ” ስለዚ ናይ
እግዚአብሄር ቤት መቅድስ ዝኾነ ኣካልና ካብ ናይ ሓጥያት ስራሕ ምሕላው ይግባእ።
14. ዕብዳን
15.ኣድማኝንት
እድመኝነት ዝጸነሐናይ ኣይሁዳውያን ጸባይ እዩ።ቅድም ዝነበሩ ኣይሁድ ናይ ባህሪይ ኣምላክ እዩሱስ ክርስቶስ
ኣድማኝነት ኣብ ሕሸት ዝተምርኾሰ ተግባር እዩ ማር 14፥55 ማርቆስ 14 ፥ 55፤ ሊቃውንቲ ኻህናትን ኵሎም
ዋዕላን ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ደለዩ፡ ኣይረኸቡን ከኣ።56፤ ብዙሓት ብሓሶት መስከሩ፡ ምስክሮም ግና
ኣይተሳማምዑን። ኩፉ ኣት ሰባት ን ንፁህ ሰብ ን ምጥቃዕ ዝጥቀምሉ መሳርሒ ኣድማኝነት ሓደ እዩ ። ኣድማኝነት
ካን ነብሲ ምጥፋእ ኣይናኣኣስን ብ ኣድማ ዝተገለለ ሰብ በይኑ ይቅሪ በይኑ እንትኾይኑ ድማ ዘፅናዕንዖሰብ ኣይረክብን
ማለት እዩ እዚ ድማ ናብ ተስፋ ምቁራፅን ናብ ዓርሰ ቅትለትን ይምርሖ። ኣድማኝነት እግዚአብሄር ካብ ላይ
ፈትዮም ስርሓት ሓድ እንትኾዉን ንክርስታና ሂውትና ለ ዕንቅፋት ካብ ዝኾኑ ሓደ እዩ ኣብ ዓለም እውን ይፅላእ እዩ
ስለዚ ኣብ ቤት ክርስቲያና ክስራሕ ኣይግባእን ። ሓደ ሓደ ሰባት ኣድማኝነት እንትፍፅሙ ይረአ
ብዘምድና፥ብገንዘብ፥ብፍልጠት .... ወዘት እንትፍጽሙ ይረአ። ኻል ኦት ሰባት ደማ ናብረኦም ብኣድማ ስለ ዝ

8
4. አንማሃሮ ነገር
 መንፈሳዊ ፍረ ከመይ ገይርና ከምነፍርን ካብ ስጋዊ ፈተና ብከመይ ከምንርሕቅን።
 ኣብ ዓለማዊ ይኹን መንፈሳዊ ሂወትና ብክርስቲያናዊ ህይወት ክንነብር ከምዘለናን መንፈሳዊ ፍረ ክነፈሪ ነምዘለና
ንመሃር።
 ኣብ ቤት ክርስቲያን ክንገብሮም ዝግብኡናን ዘይግብኡናን ነገራት።
 ስጋና ካብ ናይ ሓጥያት ስራሕ ብምርሓቅ ልነብስና ንመንግስቲ ኣምላኽ ንክትወርስ ክነብቅዓ ከምዘለና።

5. መደምደምታ ሓሳብ
ናይ መንፈስ ፍረ

እምነት ብዛይ ስራሕ ዝሙተት ምኻኑ ኩሉ ስራሕ ብዛይ እምነት ዝማተት 'ያ እዚ ዝተርድኡ ኩሎም ባዕሎም ብእምነት ፍረ
ኣፍርዮም እዮም።ሕደ ሰብ ሃመይ ገይሩ ናይ መንፈስ ፍረ ይፍሪ ? መጀምሪያን ልዕሉኹሉ ንእግዚአብሄር ምፍራሕ የድልይ
“ንእግዚአብሄር ምፍራሕ ናብ ዘልኣለማዊ ሂወት ይምርሕ” ምሳሌ 19:23 ፣ቀጺልካ ድማ ንይ እግዚአብሄር ትእዛዛት ብልበ
ሙሉእነት ምፍጻም የድሊ ናይ እግዚአብሄር ትእዛዝ ዝፍጸም ብሳጋ ሰላማዊ ሂወት ብነብሲ እውን ናይ ዘልኣለም ሂወት
ይነብር። ሓደ ክርስቲያን ነዚ ዘል ኣልማዊ ሂውት ዝብቅዖ ናይ እምነት ፍረ ወይድማ ከፍርዮም ዝግብ ኡ ናይ ነብሲ ፍረታት
ዝባሃሉ ድማ

 ፍቅሪ  ቅንዕና
 ሓጎስ  እምነት
 ሰላም  የዋህነት
 ትዕግስቲ  ዓርስኻ ምግዛእ
 ቸርነት

ወጽኢታት ናይ መንፈስ ፍረ
 ካብ ሰይጣን ምርሓቅ
 ዘል ኣለማዊ ሂወት ምርካብ
 መንግስተ ሰማያት ምውራስ
 ወሉድ እግዚአብሄር ምኾን
ናይ ሰጋ ፍረ
ስጋን ነብስን ነንርእሶም ኣይስማዕምዑን ። ስጋ ኩሉ ግዘ ንምሑጓስ ንነብሲ ይቋወማ ብፍላይ ስጋ ሓላፍን ጠፋእን
ትፎቲ ” ኣይትስሓቱ እግዚአብሄር impartial ሰብ ዝዘርኦ እዩ ዝዓጽድ ብነብሲ ዝዘርኦግን ካብ መንፈስ ናይ ዘልኣልም
ሂወት ያዓጽድ ”።ገላ 6:7 ዝተባሃለ ብምግዳፍ ኩሉ ግዚ ስጋ ብኹፍኡ ስራሕ ምብስባስ ያዓጽድ ኣብዚ ምድሪ እኾ
ኣንተነበርና ድሕሪ ሞት ነብስና ናይ እግዚአብሄር ትከድ ስጋና ግን ኣብ ምድሪ እያ ትባሳብስ ኣዚ ማለት ብትንሳ ኢ
ዘጉባ ኤ ስጋና ተሓዲሳ ምል ዓላ ዘይተርፍ ምኾኑ ብምፍላጥ ካብ መንፈስ ዘልኣልማዊ ሂወት ንምርካብ ምሳዓር
ምጽዓር ኣድላይን ወሳንን ምኾኑ ሓዋርያ ቕዱስ ጳውሎስ ኸም በሎ ካብ ስጋ ምብስባስ ከምንረክብ ነጊርና እዩ ።
ወጽኢታት ናይ ስጋ ፍረታት
 ካብ እግዚአብሄር ምርሓቅ
 ናይ ስይጣን ባርያ ምኾን
 መንግስተ ስማያስ ዘይምዉርስ ( ዘይምርኣይ )

6. ፍልፍል

9
10

You might also like