You are on page 1of 63

ወዲ-ሰብ

ብዲያቆን ሓበን ደጀን


፳፻፱-2016
ወዲ ሰብ

i
ወዲ ሰብ

ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቑር ወዳ ክርስቶስ

ii
ወዲ ሰብ

እዛ ጽሕፍቲ፡ መዘከርታ ነቶም ኣብ መንፈሳዊ ሕይወተይ ዓቢ


ግደ ዘለዎም፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ክመላለስ፡ ካብ ንእስነተይ
ሓብሒቦም ዘዕበዩኒ፡ ኣብ ሕይወተይ ዘይርስዖም፡ መንፈሳዊ ኣቦይ
ዝኾኑ፡ መርጌታ በርሀ እማንን ንክብርቲ ወላዲተይ ነፍሰ-ሄር
ምልእተ-ፀጋ መስፍን መዓሾን ትኹነለይ።

iii
ወዲ ሰብ

ትሕዝቶ
ኣርእስታት ገጽ

 መቅድም…………………………………………………….V
 ስነ-ፍጥረት…………………………………………………..1
 ስነ-ፍጥረት(Creationism) ኣንጻር ኢቮሊሽን(Evolution)……6
 ዕላማ እግዚኣብሔር ኣብ ስነ-ፍጥረት……………………...11
 ኣዳም………………………………………………………..13
 ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር…………………….16
 ፍልልይ መልክዕን ምስልን…………………………………25
 ትእዛዝ እግዚኣብሔር ንኣዳም……………………………...30
 ዉድቀት ኣዳም……………………………………………...34
 ሳዕቤን ብሰንኪ ዉድቀት ኣዳም…………………………….36
 ትምህርቲ ጥንተ ኣብሶ………………………………………37
 ተሰጋዉነት ክርስቶስ…………………………………………43
 ድሕነት ብክርስቶስ…………………………………………..49
 ኣገዳስነት ጥምቀት ንህጻናት………………………………...53
 ዘይተጠምቁ ህጻናት ናብ ሲኦል ይኸዱ ዲዮም፧……………56

iv
ወዲ ሰብ
መቅድም

ዕላማ እዛ መጽሓፍ ብድሩት ዓቕሚ፡ ብዛዕባ ወዲ-ሰብን ዕላማ ስነ-ፍጥረትን


ንምብራህ ኢዩ።

ከምኡ እዉን ኣብ’ዚ ዘለናዮ ግዜ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ፈጢርዋ ካብ ዝብል ትምህርቲ
ንላዕሊ፡ ምድሪ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ብገዛእ ርእሳ፡ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ጥረ ነገራት
ተፈጢራ፡ ዝብል ትምህርቲ ዓብሊልሉ ዘሎ እዋን እዩ። ስለዚ መንእሰያትና ይኹኑ
ህጻናትና፡ ካብ’ዚ ሓደገኛ ትምህርቲ ተጠንቂቖም ክዓብዩን ናይ ምምዝዛን ኣእምርኦም
ክሰፍሕን ነቲ ኣምላኽ ንሰማይን ምድርን ፈጢርዎ፡ ዝብል ኣማላኻዊ ሓቂ ክርድእዎ ካብ
ዝብል ቅዱስ ቅንኢ ዝተበገሰ ኢዩ።

ኣብ መጀመርያ ናይዛ ጽሕፍቲ፡ ምንጽጻር ብዛዕባ ናይ ስነ-ፍጥረት ምስ ስነ-ፍልጠት


ክኸዉን ከሎ፡ ከምኡ እዉን ቤተክርስትያን በቶም ቀዳሞት ኣቦታት ኣቢላ ከመይ ዓይነት
መልሲ ከም ዝሃበት ክትድህስስ ትፍትን።

ኣብቲ ካልኣይ ክፋል፡ ብዛዕባ ታሪኽ ኣዳም ትገልጽ። ማለት ኣዳም ብኸመይ በዲሉ
ምስ በደለ’ኸ፡ እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ከም ዝወረዶ ተብርህ። ምኽንያቱ ብዙሓት
ሰባት፡ ከም ክርስትያን መጠን፡ ኣብ ባህርያት ወዲ-ሰብን ታሪኽ ድሕነቱን ዘለዎም
ርድኢት ኣዝዩ ጸቢብ ስለ ዝኾነ፡ እዛ መጽሓፍ ብመጠኑ ክትምልሶ ትፍትን።

ኣብ’ዛ ሓጻር ጽሕፍቲ፡ ኣዝዮም ዓበይቲ ኣርእስታት ብዕምቆት ዘይተተንተኑ ኣለዉ።


ኣብ ካልእ እዋን ካልኦት ሰባት ዓሚቕ ኣፍልጦ ዘለዎም፡ ነዚ ኣርእስታት ክምህርሉ
ተስፋ ይገብር።

ብተወሳኺ ኣብዛ መጽሓፍ፡ ካብ ጥንታዉያን ጽሑፋት ናይ ቀዳሞት ኣቦታት


ቤተክርስትያን፡ ዝተወሰዱ መወከሲታትን ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስን ኣለዉ። እዞም
ጥቕስታት፡ ብቐጥታ ካብ እንግሊዝኛ ናብ ትግርኛ ዝተተርጎሙ ኢዮም። ስለዚ ምስቲ
ዘለኒ ሕጽረት ምልከት ናይ ቋንቋ እንግሊዝኛ ኣብ ገለ መዳዩ፡ ግድፈት ናይ ቃላት ወይ
ጌጋ ትርጉም ከጋጥም ስለ ዝኽእል። ንዘጋጥሙ ጌጋታት ይቕሬታ እንዳ ሓተትኩ፡ ኣብ
ምእራም ክትተሓባበሩኒ እላቦ።

ዲያቆን ሓበን ደጀን


Email; d_haben10@yahoo.com

v
ወዲ ሰብ

፩- ሰነ ፍጥረት
“ሰማይ ዝፋነይ ኢዩ፣ ምድሪ ኸኣ መርገጺ እግረይ ኢዩ…….. ነዚ ኩሉ
ዓለም ዝፈጠርክዎ ኣነ እየ። እዚ ኹሉ ኸኣ ኮይኑ ኣሎ” (ኢሳ 66፡1-2)

እግዚኣብሔር ንዓለምን ነዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ኹሉ ነገራትን ካብ


ዘይምህላዉ(ኢምንት) ኢዩ ናብ ምህላዉ ኣምጺእዎ። እዚ ክንብል ከለና
ከምቲ ተመራመርቲ ናይ ሰነ-ፍልጠት ዝገልጽዎ፡ ዓለም ካብቲ ቅድሚ
ምምስራታ ዝነበሩ ነገራት ማለት (Pre-existent matters) ተፈጢራ ማለትና
ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፡ እዛ ሎሚ ንርእያ ዘለና ዓለም ዉጽኢት ኣምላኻዊ
ነጻ ድልየት፣ ቅድስና፣ ጥበብ፣ ፍቕሪን ኽኣልነትን ዝተረኽበት ፍረ’ያ። “ኣታ
ወደየ፣ ንሰማይን ምድርን ኣብ ኣቶም ንዘሎ ኹሉ ክትጥምትን።
እግዚኣብሔር ካብ ኢምንት ከም ዝፈጠሮም ከተስተዉዕልን። ንሰብ’ዉን
ብኸምዚ ከም ዝፈጠሮ ክትግንዘብን እልምነካ ኣሎኹ።”(2ይ መቃብያን 7፡28)
እዚ ማለት ከኣ ኹሉ ኣብዚ ዓለም ዘሎ ስነ-ፍጥረት፡ ብእግዚኣብሔር ከም
ዝተፈጥረን ካብ ዘይምህላዉ ናብ ምህላዉ ኸም ዝተሰጋገረን ንርዳእ።

ሓደ ካብቲ ዘደንቕ ስራሕ እግዚኣብሔር ንኩሉ ፍጥረታት ክፈጥር ከሎ


ንኹሉ ብስርዓት(Cosmos) ኢዩ ፈጢርዎ። እዚ ማለት ምሉእነት ዘለዎ፡
ብስርዓትን ስኒትን ዝኸይድ ኢዩ። እዚ ቅዱስ ስራሕ ናይቲ ቅዱስ ዝኾነ
ፈጣሪ’ዩ። ኣብ ቆጶዶቅያ ዝነበሩ ቀዳሞት ኣቦታት ቤተክርስትያን፡ ብዛዕባ
ስነ-ፍጥረት ክዛረቡ ከለዉ “ኣምላኽ ብመጀመርያ ንዓለም ምስ ፈጠረ ልክዕ
ከም ህንጻ ገይሩ ኣወቀቦ። ቀጺሉ ንሰብ ኣብቲ ዉቁብ ህንጻ ኣቐመጦ”
ይብሉ። ጽባቐ ስነ-ፍጥረት፡ ልዕሊ ኣእምሮ ደቂ ሰባት ኢዩ። ምኽንያቱ ኹሉ
ስነ-ፍጥረት ብቓል ኣምላኽ ኢዩ ዝተፈጥረ። (ጥበብ ሰለሞን 9፡1) እቶም
ብልህታት ናይ ኣምላኽ ሰባት ኸኣ፡ ነዚ ምስጢር ጽባቐ ብዑምቀት
ይርድእዎ። ኹሉ ግዜ ኸኣ ብዛዕባ ኣምላኻዊ ጥበብን ሓይልን ይመሃሩ።

ናይ ስነ-ፍጥረት ጽባቐ ክትርዳእ እንተ ደኣ ኬንካ ብእምነትን ጸሎትን ኣብ


ኣምላኽ ምዉካልን ደኣ እንበር ብምርምር ሰነ-ፍልጠት ክትበጽሖ
ኣይከኣልን’ዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ብዛዕባ ዓለምን ሰነ-ፍጥረትን ብዙሕ እኳ

-1-
ወዲ ሰብ
ይብሃል እንተ ኾነ፡ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣቀዲሙ ከምዚ ኢሉ ነይሩ። “ኣምላኽ
ስለ ዝገለጸሎም እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ክፈልጥዎ ዝግባእ ኣብኣቶም ግሉጽ
እዩ። ከመይ ዜመኻንይዎ ምእንቲ ኪስእኑ። እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ
ተራእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሔር፣ ማለት ዘለዓለማዊ ሓይሉን
መለኮቱን ብፍጥረቱ ኣዚዩ ተጋህደ።” (ሮሜ 1፡19-20) ስለዚ ታሪኽ ስነ-
ፍጥረት ዓሚቕ’ዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ምስትዉዓል ይሓትት። እዚ ብናይ ገዛእ
ርእስኻ ምርምር ዘይኮነ፣ ካብቲ እግዚኣብሔር ዝህበካ ምስትዉዓል ጥራይ
ጌርካ ኢኻ ክትገልጾ ትኽእል።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ታሪኽ ስነ-ፍጥረት እንተ ደኣ ርኢና፣


እግዚኣብሔር ንምድሪ ክፈጥር ከሎ ብሓድነት ብሰለስተ ኣካላት ኢዩ
ፈጢርዎ። ሙሴ ንቀዳማይ ምዕራፍ ኦሪት ዘፍጥረት ክጽሕፍ ከሎ
“እግዚኣብሔር ብመጀመርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” (ዘፍ 1፡1) ብቋንቋ
ዕብራይስጥ ንእግዚኣብሔር ኤሎሔም(Elhoim) እንዳ በለ ይጽዉዖ። እዚ
ንልዕሊ ሓደ ከም መጸዉዒ’ዩ። ፈጠረ ከኣ ንሓደ ኢዩ ዘመልክት። ሙሴ ግና
ኤሎሔም ኢሉ ክጽሕፍ ከሎ፣ እግዚኣብሔር ብሰለስተ ኣካላት ብሓደ ፍቓድ
ንዓለም ከም ዝፈጠሮ ከረድእ ስለ ዝደለየ’ዩ። ካብ ምዕራፍ 2፡3 ክሳብ
ምዕራፍ 3፡24 ዘሎ ብዛዕባ ፍጥረት ደቂ ሰብ ይዛረብ። ኣብዚ ንእግዚኣብሔር
የህዌህ (Yahweh) እንዳ በለ ይጽዉዖ።

ሙሴ ንመጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት ክጽሕፍ ከሎ፡ ብኸመይ እግዚኣብሔር


ንሰማይን ምድርን ከም ዝፈጠሮ፡ ጥልቕ ዝበለ ኣገላልጻ ኣይንረክብን ኢና።
ምኽንያቱ ነቲ ናይ ስነ-ፍጥረት ስነ-ሓሳብ (Theory) ዘይኮነ፡ ነቲ ፍቕሪ
እግዚኣብሔር፡ ኣብ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ድሕነትን ህይወት ወዲ ሰብን ከረድእ
ስለ ዝደለየ ኢዩ። እዚ ኣገላልጻ’ዚ ኪንዮ ናይ ሰነ-ፍልጠታዊ(Scientifically)
ሓቅታት ዝኸይድ’ዩ። በዚ ምኽንያት ከኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኹሉ ግዜ ታሪኽ
ስነ-ፍጥረት ዘይኮነ፡ ታሪኽ ደቂ ሰብን ድሕነቶምን ዝነግር መጽሓፍ’ዩ
ንብሎ።

-2-
ወዲ ሰብ
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰማይን ምድርን ብቃል እግዚኣብሔር’ዩ
ተፈጢሩ። ንሱ ኣዘዘ ንሳቶም ከኣ ተፈጥሩ። እዚ ፍጥረታት ግና ኹሉ ብሓደ
ግዜ ዝመጸ ዘይኮነ፣ በብግዚኡን ሰዓቱን ኢዩ ተፈጺሙ።

ኹሉ ከም ቅጽበት ዓይኒ፡ ብሓደ መጺኡ ዝብል ርድኢት የብልናን።


እንታይ ደኣ ሓደ ድሕሪ ሓደ፡ ብፍቓድን ድልየትን እግዚኣብሔር፡
ብስርዓት ተፈጥረ።

እዚ ኩሉ ፍጥረታት ኣብ ዉሽጢ ሽዱሽተ መዓልቲ ተፈጢሩ። ከም


ኣቛጻጽራ ናይ ደቂ ሰባት፡ ሓንቲ መዓልቲ፡ 24 ሰዓታት ተጠቓልል። እንተ
ኾነ ግና እዘን ሎሚ ከም መቑጸሪ ናይ መዓልትን ለይትን ንጥቀመለን ዘለና
ጸሓይን ወርሕን፡ ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ናይ ሰነ-ፍጥረት ኢየን ተፈጢረን።
ስለዚ ብኸመይ ደኣ እግዚኣብሔር ነቲ መዓልትን ለይትን ፈልዩዎ ንዝብል
ሕቶ ንምምላስ፡ ሓደ ብቑዕ ዝኾነ መርትዖ ከነቕርብ ግድነት ኢዩ።

ከም መሰረታዊ ክንፈልጦ ዘለና ሓቂ፡ ናይ ስነ-ፍጥረት ሽዱሽተ መዓልቲ


ክንደይ ሙኻኑ ብርግጽ ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና። ሓደ መዓልቲ ናይ
ሰነ-ፍጥረት ምናልባት ሚልዮናት ዓመታት ክትከዉን ትኽእል’ያ። (2ይ ጴጥ
3፡8)

ኦሪጋኖስ

“እቲ ኹሉ ዓለም ዝፈጠረ ኣምላኽ፣ ነዚ ግዙፍ ፍጥረት ሰማይን ምድርን


ክፈጥር ግዜ ኣየድልዮን ኢዩ…… ዋላ’ኳ እዚ ኩሉ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ
ዝተፈጥረ እንተ መሰለ። “ሽዱሽተ መዓልቲ” ዝብል ቃል ክንርድኦ ግና
ኣእምሮ የድሊ’ዩ።” 1

1
www.copticchurch.net/topics/patrology/schoolofalex2/chapter11.html.

-3-
ወዲ ሰብ
ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ ብርክት ዝበሉ ቀዳሞት ኣቦታት ቤተክርስትያን እዉን
ጽሒፎም ኢዮም። ገለ ካብኡ ቀጺልና ንርኤ፥

ባርናባስ

“ብዛዕባ ሰንበት፡ ኣብቲ መጀመርያ ናይ ስነ-ፍጥረት ብዛዕባ ሰንበት ከምዚ


ዝስዕብ ይብል። “ኣምላኽ ኸኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሻድሸይቲ መዓልቲ
ፈጸሞ፡ ብሻብዓይቲ መዓልቲ ኸኣ ካብቲ ዝገበሮ ኹሉ ግብሩ የዕረፈ።
ኣምላኽ ኸኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኹሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዘዕረፈ። ነታ
ሻብዓይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን።” (ዘፍ 2:2-3)

ደቀየ ኣስተዉዕሉ “ኣብ ሻድሻይ መዓልቲ ፈጸሞ” እንታይ ማለት’ዩ፧ እዚ


ማለት ጎይታ ንኹሉ ነገር ኣብ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመት ናብ ፍጻሜ ከብጽሖ
ማለት ኢዩ። ኣብኡ ሓደ መዓልቲ ሽሕ ዓመት ኢዩ። ጎይታ ባዕሉ ምስክር
ገበረኒ፡ ከምዚ ኢሉ “ሓደ መዓልቲ ብጎይታ ሽሕ ዓመት ሙዃኑ ፍለጡ።”
ስለዚ ደቀየ ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ንሱ ኸኣ ኣብ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመታት፡
ኩሉ ናብ ፍጻሜ ክበጽሕ ኢዩ። ብሻብዓይቲ መዓልቲ ድማ ኣዕረፈ። እዚ
ማለት፡ ወዱ(ክርስቶስ) ምስ መጸ ነቲ ሕጊ ዘይነበረሉ ግዜ ከወግዶ፡ ነቲ
ረሲእ ኸኣ ክፈርዶ ኢዩ። ንጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ድማ ክቕይሮም
ኢዩ። ብድሕሪ’ዚ ኣብታ ሻብዓይቲ መዓልቲ ብሓቒ ከዕርፍ ኢዩ።” 2

ቅዱስ ቀሌሜንጦስ ናይ እስክስድርያ

“ፍጥረት ናይ ዓለም ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ተፈጸመ……. ሰለምንታይ ወዲ


ሰብ ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ ተፈጢረ ይብል…… ሓደ ነገር ዘመልክቶ ኣብ
ሻድሻይ ሰዓት መደብ ድሕነት ናይ ወዲ ሰብ፡ ፍጹም ኮይኑ ተፈጥረ።” 3

2
The epistle of Barnabas 15, Early Christian writing p 214.
3
Clement of Alexandria, the stromata or miscellanies,6:16, the ante-nicene fathers,
vol 2,p 512-513.

-4-
ወዲ ሰብ
እዚ ብዛዕባ ኣበሳ ኣዳምን ኣብ ሻድሻይ መዓልቲ ናብ ዘርኢ ሰብ ሞት ከም
ዘምጽኤ ክዛረብ ስለ ዝደለየ ኢዩ። ልክዕ ብናቱ መንጽር ከኣ ክርስቶስ ኣብ
ሻድሻይ መዓልቲ ሞይቱ ካብ መቕጻዕቲ ሓጢኣት ተበጀወና። ኣብዚ ቅዱስ
ኢራንዮስ ምስ ኣበሃህላ ሃዋርያ በርናባስ ይሰማማዕ ኢዩ። እቲ ሽዱሽተ
መዓልቲ ምስቲ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመት ቅድሚ ክርስቶስ ኣነጻጺሩ ኢዩ
ዝገልጾ። እታ ሻብዓይቲ መዓልቲ ግና እዛ ንነብረላ ዘለና ናይ ምሕረት
ዘመን ኢያ። ማለት ካብ ልደት ክርስቶን ንነጀዉ ዘሎ ግዜ ኢዩ።

ቅዱስ ኢራንዮስ

“ከምቲ ኣብ መዓልታት እዛ ዓለም ዝተፈጥረት፡ ኣብ ኣሽሓት ዓመታት


ከኣ ክትፍጸም’ያ። በዚ ምኽንያት እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል “ኣምላኽ ከኣ
ነቲ ዚገብሮ ዝነበረ ግብሩ ፈጺሙ፡ በታ ሻብዓይቲ መዓልቲ ካብቲ ዝገብሮ
ዝነበረ ኩሉ ግብሩ ኣዕረፈ።” (ዘፍ 2፡2) እዚ ብዛዕባ እቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጥረ
ፍጥረትን ትንቢት ብዛዕባ እቲ ክመጽእ ዘለዎን ኢዩ ዝዛረብ። ብጎይታ ሓደ
መዓልቲ ሽሕ ዓመት ከም ዝኾነ፡ ብሻድሻይ መዓልቲ ፍጥረታት ኩሉ
ተፈጸመ። ስለዚ፡ ኣብ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመት ኩሉ ናብ ፍጻሜ ከም ዝበጽሕ
ምልክት’ዩ።” 4

4
Irenaeus, against heresies v28,3

-5-
ወዲ ሰብ

፪- ኣምላኻዊ ስነ-ፍጥረት ኣንጻር ኢቮሊሽን (Evolution)


“ኣነ ንምድሪ ክስርታ ከለኹስ፡ ኣበይ ነበርካ፧ ኣእምሮ እንተ ደኣ
ኣልዩካስ ንገረኒ።” (ኢዮብ 38:4)

ቤተክርስትያን ካብ ፈለማ ብዛዕባ ስነ-ፍጥረት ምስ ፈላስፋታትን


ፍልስፍና ናይ’ዚ ዓለምን ኣይትሰማማዕን’ያ። ከም በዓል ፓይታጎራስ፣ ፕላቶ፣
ኣሪስቶትል፣ ኣፍላጦን፣ ሂፖርኩስን ዝኣመሰሉ ፍላስፋታት በብዝመስሎም
ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ስነ-ፍጥረትን ኣመሳራርታ ዓለምን ጽሒፎም ኢዮም። እቲ
ንሶም ዝህብዎ መረዳእታት ዝተፈላለየን ኣብ ገለ ገለ እዉን ነንሕድሕዱ
ዝጻረርን ዝነጻጸግን ክኸዉን ከሎ። ንኩሎም ዘሰማምዖም ግና ምስ’ቲ ብነቢዩ
ሙሴ “እግዚኣብሔር ብመጀመርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።”(ዘፍ 1፡1) ዝብል
ዝተነግሬ ቓል ብፍጹም ስለ ዘይሰማምዑ’ዩ።

ብድሕር’ዚ ቀጺሉ ዝመጸ ሓደ ቻርለስ ዳርዊን ዘተባህለ ተመራማሪ። ኣብ


1859 ኢቮሊሽን(Evolution) ዝብል ክልሰ ሓሳብ ኣማዕበለ። እዚ ማለት፡ ከመይ
ኢሉ ዘርኢ ናይ ህይወታዉያን ማዕቢሉ፡ ናብ ዝተፈላለዩ ዓይነት ዘርእታት
ክፈላለ ክኢሉ ዘጽንዕ ዓዉዲ ስነ-ፍልጠት ኢዩ። ሕመረት ናይ’ዚ ክልሰ-
ሓሳብ፡ ንመበቆል ናይ ደቀቕቲ ታህዋስያን(Micro organisms) ንምርማር
ዝነቐለ ክኸዉን ከሎ፡ እቶም ደቀቕቲ ታህዋስያን ድሕሪ ነዊሕ ግዜ
(ሚልዮናት ዓመታት) ናብ ዓበይቲ ታህዋስያን ይምዕብሉ ዝብል’ዩ። ኣብዚ
ምድሪ ዘሎ ህይወት ኩሉ ካብ ንጽል ዋህዮን Singel Cell (Archaea)፡
ባክተርያን እዩ ጀሚሩ ዝብል መሰረታዊ ምጉት ኣልዒሉ ይዛረብ። እዚ
ማለት ከኣ፡ እቲ ካብ ሓደ ዋህዮ ዝጀመረ ህይወት እንዳ ማዕበለ ይኸይድ።
ብድሕር’ዚ ዓሳ ናብ ምድረ-ማያዉያን፡ ምድረ-ማያዉያን ናብ ለመምታ፡
ለመምታ ናብ መጥበዉቲ ይምዕብሉ ይብል።

እዚ ዓዉደ ስነፍልጠት’ዚ ብብዙሓት ምሁራት ክግምገም ከሎ፡ ሓደ


ካብቶም ጭቡጥነት ዘይብሎም ብክልሰ-ሓሳብ ጥራይ ዝተቐመጡ ስነ-
ፍልጠት’ዩ። ብሓፈሻ እንተ ደኣ ርኢናዮ’ዉን፡ ሓደ መሰረታዊ ሽግር ኣለዎ።
ንሱ ከኣ እቶም ድሕሪ ነዊሕ እዋን ማዕቢሎም ዝተባህሉ ደቀቕቲ ህዋሳዉያን

-6-
ወዲ ሰብ
ምዕባሌኦም ክሳብ ሕጂ ዘይምቕጻሉ’ዩ። ከም ኣበሃህላ ቻርለስ ዳርዊን፡ ሰብ
ካብ ህበይ ብዘገምታዊ ምዕባለ’ዩ መጽዩ ዝብል እንተ ደኣ ኾይኑ። ኣብዚ
ኹሉ ዘመናት፡ ናብ ሰብ ዝቕየራ ኣህባይ ወይ እዉን ናብ መጥበዉቲ
ዝቕየሩ ለመምታ ምረኣና ነይርና።

ካልእ፡እዚ ክልሰ-ሓሳብ ምስቲ ምንጪ ኩሉ ፍጥረታት እግዚኣብሔር’ዩ


ዝብል እምነትን ሓቕን መጽሓፍ ቅዱስ’ዉን ዝጻረር’ዩ። እዚ ማለት ንሕና
ደቂ ሰባት ካብ መልክዕን ምስልን እግዚኣብሔር ኢና ተፈጢርና ምባል
ተሪፉ፡ ካብ ህበይ ኢና መጺእና ናብ ዝብል ናይ ክሕደት ትምህርትን ናብ
ካልእ ናይ ሓጢኣት ፍልስፍናን ዝመርሕ ሓደገኛ ትምህርቲ’ዩ። ትምህርቲ
“ሁማንዝም” (Humanism) ማለት “ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣምላኽ’ዩ” ዝብል
እዉን ካብዚ ክልሰ-ሓሳብ ዝነቐለ ትምህርቲ’ዩ።

ፍልስፍና ኩሉ ግዜ፡ እምነት ምስ ጠፍኤ ዝመጽእ ነገር’ዩ። ሓደ ሰብ


እምነት እንተ ደኣ ዘይብሉ ኮይኑ፡ ኣብ ጥርጣሬን ግምትን ጥራይ’ዩ ዝነብር።
ነቲ ሓቂ ከም ዘለዎ ንኽቕበሎ የጸግሞ። ዓለምና ንፍልስፍና፡ ሓደ ካብቶም
ናብ ጽቡቕ ምዕባለ ዝመርሕዋ መንገዲ ገይራ እያ እትርእዮ። ብመንጽር
ቤተክርስትያን ግና ካብ’ዚ ፍልይ ዝበለ ሚዛን ኢዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ
ቤተክርስትያን ኩሉ ግዜ ነቶም ኣወንታዉያን ሓሳባት ሰነ-ፍልጠት ደኣ
እንበር ነቶም ናብ ክሕደትን ጥፍኣትን ዝመርሑ ትምህርታት እዛ ዓለም
ኣትሪራ’ያ ትቃዎሞም።

ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ነዞም ካብ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ


ዝኸዱ ሰባት እንህቦ መልሲ እዚ’ዩ።

“ኦ ጎይታናን ኣምላኽናን፡ ንስኻ ክብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምዉሳድ


ብቑዕ ኢኻ። ከመይ ንብዘሎ ንስኻ ፈጢርካዮ ፍቓድካ ስለ ዝኾነ ድማ ህላዌ
ረኺቡን ተፈጢሩን ኣሎ።” (ራእ 4:11)

“ንኣምላኽ ፍርህዎ ክብሪ’ዉን ሃብዎ፡ ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ


ማያትን ዝፈጠረ ስገድሉ” (ራእ 14፡7)

-7-
ወዲ ሰብ
ብዙሓት ናይ ኢቮሊሽን(Evolution) ስነ-ሓሳብ ተኸተልቲ፡ ነቲ ሰማይን
ምድርን ብእግዚኣብሔር ተፈጢሩ ዝብል ሓቂ ንከይቅበልዎ ዝኽልክሎም
ነገር፡ ብእምነት ክነብሩን ብእምነት ክቕበልዎን ስለ ዘሸግሮም ኢዩ። ከም
ክርስትያን መጠን ምስ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኮይንና ከምዚ ንብሎም። “ኩሉ
ዓለማት ብቃል ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ፡ እቲ ዝርኤ ድማ ካብ ዘይርኤ ከም
ዝተፈጥረ፡ ብእምነት ኢና ነስተዉዕሎ።” (ዕብራ 11፡3)

እግዚኣብሔር ኩሉ ነገር ብሩህ ገይሩ ስለ ዝፈጠሮ ኣብ ፍጥረቱ ምኽንያት


ዝበሃል የልቦን። ሓይሉ፡ ስልጣኑን ክብሩን ብፍጥረቱ ኣቢሉ ይገልጸልና።
ህልዉና እግዚኣብሔር ብፍጥረቱ ኣቢልና ነስተዉዕሎ። ፈጣሪ እንተ ደኣ
ዘየለ ፍጡር የለን። ብዘይ ፈጣሪ ፍጡር ክፍጠር ኣይክእልን’ዩ። “ከመይ
ዜመኻንይዎ ምእንቲ ክስእኑ፡ እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ተራእዩ
ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሔር፡ ማለት ዘለዓለማዊ ሓይሉን መለኮቱን
ብፍጥረቱ ኣጸቢቑ ተጋህደ።” (ሮሜ 1:20)

ብዙሓት ኣቦታት ቤተክርስትያን፡ ነቲ ዝነበሮም ፍልስፍናዊ ሓሳባት ብናይ


ክርስትና ልቦና ዝቀየርዎ ብዙሓት ኢዮም። ከምቲ ሃዋርያ ጳዉሎስ ዝበሎ
“እዚ ኣምላኽ’ዚ ንዝሞቱ ሕይወት ዝህብ፡ ንዘየለ’ዉን ናብ ህላዌ
ዝጽዉዕ’ዩ”(ሮሜ 4:17)። ሓደ ካብቶም ናብ ብርሃን ዝተመልሱ ቅዱስ
ጃስቲን’ዩ (Justin Martyr)። ንሱ ብዛዕባ ነብሱ ክጽሕፍ ከሎ ከምዚ ይብል፣
“እሳት ኣብ መንፈሰይ ኣብርሄ፡ ፍቕሪ ነብያትን እቶም ምስ ክርስቶስ የዕሩኽ
ዝኾኑ ሰባትን ተቖጻጸረኒ……ነዚ ፍልስፍና’ዚ ጥራይ’የ ዘተኣማምንን
ዘርብሕን ኮይኑ ዝረኸብክዎ።” 5

ቅዱስ ትዮፍሎስ (Theophilus)

5
Justin martyr, Dialogue with Trypho,8, The ante-nicene fathers,1,198.

-8-
ወዲ ሰብ
“ ………. ኩሎም ጸሓፍቲ፣ ገጠምቲ፣ ፍላስፋታት ኢና ዝብሉን እቶም
ንዕኦም ኣቃልቦ ዝህቡን ኩሎም ዝተታለሉ ኢዮም። ምኽንያቱ ብዛዕባ
ኣማልኽቶም ዘይተኣደነ ጽዉጽዋያትን ናይ ዓያሹ ታሪኽን የዳልዉ። ከም
ኣማልኽቲ ዘይኮነ ከም ሰብ ገይሮም ይገልጽዎም። ከም ሰብ ከለዉ፡ ገሊኦም
ሰኽራማት፣ ካልኦት ከኣ ዘመዉትን ቀተልትን ኢዮም። ከምኡ እዉን ብዛዕባ
መበቆል ምድሪ፡ ዝጋጮን ትርጉም ዘይብሉን ሓሳባት ይዛረቡ። መጀመርያ
ገለ ካብኣቶም…… ዓለም ኣይተፈጥረትን እንዳ በሉ ይኣምኑ። እቶም
ኣይተፈጥረትን፡ ባዕላ ኢያ መጺኣ ዝብሉ ምስቶም ተፈጢራ ዝብሉ
ኣይሰማምዑን። ብግምትን ብሓሳብ ሰብን ይዛረቡ። ነታ ሓቂ ከኣ
ኣይፈልጥዋን ኢዮም።” 6

ቅዱስ ትዮፍሎስ

“ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ተፈጢሮም።


ምኽንያቱ እቲ ነገራት ኣቐዲሙ ዝፈልጥ ኣምላኽ፡ ንዕሽነት ፈላስፋታት
ማለት ኣብዚ ዓለም ዝበቁል ነገራት ካብ ሰማያዊ ኣካል ዝመንጨወ’ዩ ኢሎም
ንኣምላኽ ከም ዘግልልዎ ስለ ዝፈለጠ ኢዩ። ስለዚ እቲ ሓቂ መታን ብሩህ
ክኸዉን፡ ኣትክልትን ኣዝርእትን ቅድሚ እቶም ናይ ሰማይ ፍጡራት
ተፈጥሩ። ምኽንያቱ እቲ ዳሕረዋይ ነቲ ቀዳማይ ክፈሪ ኣይክእልን’ዩ። እዚ
ሓደ ዓቢ ኣብነትን ዓይነት ምስጢርን ሒዙ’ሎ። ጸሓይ ናይ ኣምላኽ
ምሳሌ’ያ፡ ወርሒ ከኣ ናይ ወዲሰብ። ከምቲ ጸሓይ ንወርሒ ክብርን ሓይልን
ተሕልፈላ፡ ከምኡ ከኣ ኣምላኽ ንሰብ የሕልፈሉ። ጸሓይ ኩሉ ግዜ
ምልእቲ’ያ፡ ኣይትጎድልን’ዉን። ኣምላኽ ከኣ ኩሉ ግዜ ፍጹም ኮይኑ
ይነብር። ብሓይሉ፣ ብጥበቡ፣ ብምስትዉዓሉ፣ ዘለኣለማዉነቱ፣ ቅድስንኡ
ምሉእ ኮይኑ ይነብር። ወርሒ ግና ወርሓዊ እንዳ ደኸመት ትኸይድ፡
ንቅሩብ ግዜ ትመዉት፡ እዚ ምሳሌ ናይ ሰብ’ዩ። ዳግማይ ይሕደስ፡ ከም
ወርሒ እንዳ መልኤ ይኸይድ፡ እዚ ኣብነት ትንሳኤ’ዩ።” 7

6
Theophilus to Autolycus II, 8
7
Theophilus II, 15

-9-
ወዲ ሰብ
ቅ.ባስልዮስ

“ንስማዕ……. ቃላት ሓቂ፡ ብጥበብ ሰባት ብዘእምን ቋንቋ ዘይተገልጸ፡


ዕላምኡ እቶም ሰማዕቱ ከድንቕዎ ኢሉ ዘይኮነ። ብትምህርቲ መንፈስ
ንድሕነት እቶም ዝምህርሉ ዝተነግረ…….. እቶም ጥበበኛታት ግሪኽ ብዛዕባ
ስነ-ፍጥረት ብዙሕ ጺሒፎም። እንተ ኾነ ካብቲ ናቶም ጸኒዑ ዝነብርን
ዘይሰዓርን የለን። ናይቲ ቀዳማይ በቲ ካልኣይ ይሰዓር።” 8

8
On Hexaemeron, Basil

- 10 -
ወዲ ሰብ

፫- ዕላማ እግዚኣብሔር ኣብ ስነ-ፍጥረት


እግዚኣብሔር ነዚ ኣብ’ዚ ዓለም ዘሎ ስነ-ፍጥረት ፈጢሩ ምስ ወድኤ፡
ኣብ ሻዱሻይ መዓልቲ ንእንስሳታትን ሰብን ፈጠረ። ሰብ መወዳእታ ናይ ስነ-
ፍጥረት’ዩ። ኩሉ ድማ ቅድሚኡ’ዩ ተፈጥረ። ሰለምንታይ እግዚኣብሔር
ንሰብ ፈጢርዎ፧ ዝብል ሕቶ ከም ሰባት መጠን ኣብ ሕልናና ክመጽእ
ይኽእል’ዩ። ዘማራይ ዳዊት ተመሳሳሊ ሕቶ ይሓትት። “እቲ ንስኻ
ዝፈጠርካዮ ሰማያትን ነቶም ንስኻ ዝሰራዕካዮም ወርሕን ከዋኽብትን እርኢ
ኣሎኹ። እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፡ እቲ ንስኻ እትሓልየሉ ወዲ ሰብ’ሲ
እንታይ’ዩ፧” (መዝ 8:3-4)

እግዚኣብሔር ንኹሉ ፍጥረታት ክፈጠሮ ምኽንያት ንኣዳም ንምሑጓስ


ኢዩ። ከምቲ ሓደ ክቡር ጋሻ ናብ ገዛኻ ክመጽእ እንተ ደኣ ዓዲምካዮ፡ ኩሉ
ዘድልዮ ነገራት ኣቐዲምካ ኣዳሊኻ ትጽበዮ። ኣምላኽ ከኣ ልክዕ ከምዚ
ዝበልናዮ ኣብነት፡ ኩሉ ዘድልዮ ነገራት ኣዳልዩ ኣብ መወዳእታ ንሰብ
ፈጠሮ። ስለዚ ናይ ኣዳም ምፍጣር ካብ ናይ ካልኦት ፍጥረታት ፍልይ
ዝበለ’ዩ። “ከምቲ ምድሪ ምእንቲ ኣዳም ክብል ዝፈጠሮ። ንኣዳም’ዉን ካህን
ኣብ ኣምላኻዊ ቤተ-መቕደስ፣ ተዓዛቢ ናይ ዕዩኡን ሰማያዊ ነገራትን ክኸዉን
በእዳዉን ከም መልክዑን ገይሩ ፈጠሮ። ንሱ እቲ እንኮ ፍጡር፡ ኣእምሮ
ዘለዎ፣ ክሓስብ፣ ብዛዕባ ኣምላኽ ክርዳእ ዝኽእል፣ ዕዮ እግዚኣብሔር ዘድንቕ፣
ክእለቱን ሓይሉን ዘስተዉዕልን’ዩ። በዚ ምኽንያት ብፍትሒ፣ ኣእምሮ፣
ምስትዉዓል መልኤ።” 9

ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ዝኾኑ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ፡ ብዛዕባ ሰለምንታይ


ኣምላኽ ንወዲ ሰብ ፈጢርዎ ዝብል ሕቶ ክምልሱ ከለዉ ከምዚ ይብሉ።
“ኣምላኽ ንወዲሰብ ህልዉና መታን ከስተማቕር ካብ ሰናይ ድልየቱን
ለዉሃቱን ተበጊሱ ፈጢርዎ።” 10

9
Lactantius , (Why God made man) XIV, Ante-nicene fathers vol 7
10
Pope shenouda III, So many years with problems of people part II, theological and
dogmatic problems, p 14.
- 11 -
ወዲ ሰብ
ገለ ሰባት ኣምላኽ ንወዲ ሰብ ዝፈጠረሉ ምኽንያት ንከምልኾ’ዩ ዝብሉ
ኣለዉ። ነዚ ትምህርቲ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ብትሪ ይነቕፍዎ። ከም ኣበሃህላ ፖፕ
ሺኖዳ 3ይ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዝፈጠረሉ ምኽንያት ስለ ዘፍቀረና’ዩ
ይብሉ። ኣምላኽ ናትና ምስጋና፡ ኣምልኾ ዝጽበ ኣምላኽ ኣይኮነን። ቅድሚ
ንዓና ምፍጣሩ ብባህሪኡ ምስጉን ኢዩ። ስለዚ ናትና ኣምልኾን ምስጋናን
ምስ ናቱ ክብሪ ኣወዳዲርካ ትርጉም የብሉን። ንኣምላኽ ከነመስግኖን
ከነምልኾን ከለና ብዝያዳ ንሕና ኢና ንረብሕ። ስለ ዝኾነ ከኣ ከነመስግኖን
ከነምልኾን ፈቒዱልና ይብሉ።

“ንሱ እቲ ዓለምን ኣብኣ ዘሎን ዝገበረ ኣምላኽ። ጎይታ ሰማይን


ምድርን’ዩ…………ንሱ ሕይወትን እስትንፋስን ዘድሊ ኩሉ ነገራትን ንኹሉ
ሰብ ዝህብ ስለ ዝኾነ ዝጎድሎ የብሉን። ብኢድ ሰብ’ዉን ኣይግልገልን’ዩ።”
(ግብረ ሃዋርያት 17:24-25)

ኣምላኽ ፍቕሪ’ዩ።(1ይ ዮሃ 4:8) ብመጀመርያ ንዓና ዝፈጠረሉ ምኽንያት


ከኣ ህይወት ኣስተማቒርና ዘለኣለማዊ ናብራ ክነብር’ዩ። ኣምላኽ
ዘለኣለማዉያን ገይሩ’ዩ ፈጢሩና፡ ኩሉ ግዜ ከኣ የፍቕረና’ዩ። “ኩሉ ግዜ ምስ
ኣፍቀርክኹም’የ።” (ኤር 31:3) ስለዚ ፍቕሪ’ያ ንወዲሰብ ካብ ዘይምንባር ናብ
ምንባር ኣምጺኣቶ። ደቂ ሰባት እዉን ንፍቕሪ ኣምላኽ ኢልና ኢና ንነብር።
ምኽንያቱ ኣብዚ ምድሪ’ዚ ኣምላኽ ዝሃበና ትእዛዝ፡ ንዕኡ ከነፍቅርን
ነንሕድሕድና ክንፋቐርን ኢዩ። እዚ’ዩ መደብን ትእዛዝን ኣምላኽ። “ከመይ
ንሕና ነቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዘዳለወልና ሠናይ ተግባራት እናፈጸምና
ምእንቲ ክነብር ብክርስቶስ ኢየሱስ ዝተፈጠርና ፍጡራት ኣምላኽ ኢና።”
(ኤፌ 2:10)

፬- ኣዳም
“ኣምላኽ ከኣ “ብመልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ ንፍጠር፡ንዓሳ ባሕርን
ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳ ዘቤትን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድርን ለመም
ንዚብል ኩሉ ለመምታን ይግዝኡ” በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ

- 12 -
ወዲ ሰብ
ፈጠረ፡ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።”
(ዘፍ 1:26-27)

ሰብ ብመልክዕን ምስልን እግዚኣብሔር ኣብ ሻድሻይ መዓልቲ ተፈጥረ።


ካብቲ ቅድሚኡ ዝተፈጥረ ፍጥረታት፡ ኣብ ሰማይ ኮነ ኣብ ምድሪ፡ ማዕሪኡ
ክብሪ ዝረኸበ ፍጡር የለን። ኩሉ ፍጥረታት ብቃል እግዚኣብሔር ክፍጠር
ከሎ፡ ወዲ-ሰብ ግና ብኢድ እግዚኣብሔር ካብ እስትንፋስ እግዚኣብሔር
ተፈጢሩ። ብኢድ እግዚኣብሔር ተወቂቡ፡ ብትንፋሱ ህይወት ረኺቡ
ዝተፈጥረ ፍጡር ኣዳም ጥራይ’ዩ። እዚ ባህሪ’ዚ ካብ ካልኦት ፍጡራት ፍሉይ
ዝገብሮ ባህሪ’ዩ። ምኽንያቱ ከም ናይ ኣዳም ባህሪ ሒዙ ዝተፈጥረ ካልእ
ፍጡር የለን። “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ካብ ምድሪ ሓመድ ወሲዱ ንሰብ
ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጭኡ ድማ ህይወት ዝህብ ትንፋስ ኡፍ በለሉ፡ ሰብ ከኣ
ህይወት ዘለዎ ኾነ።”(ዘፍ 2:7) ኣብ’ዚ ጥቕሲ ነስተብህሎ ክልተ ነገራት ኣሎ።
እቲ ሓደ ካብ ሓመድ ወሲዱ ገበሮ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ህይወት ዝህብ
እስትንፋስ ኡፍ በለሉ ዝብል’ዩ። ኣቦታት ቤተክርስትያን ነዚ ከምዚ ዝስዕብ
እንዳ በሉ ይገልጽዎ።

ቅዱስ ባስልዮስ ዓቢ

“ንዓይ ግና፡ እቲ ጽሑፍ ታሪኽ ስነ-ፍጥረት ወዲ-ሰብ ሓደ ሕቶ


ኣብሪሁለይ። ንሕጂ፡ ኣምላኽ ካብ መሬት ወሲዱ ንሰብ ፈጠሮ (ዘፍ 2:7)
ዝብል ንርኤ። ካብ’ዚ ቃል ዝተረዳእክዎ ወዲ-ሰብ ዋላ ሓንቲ የብሉን
ዕሩቕ’ዩ። በቲ ካልእ መዳይ ከኣ ወዲ-ሰብ ክቡር’ዩ። ናብ’ቲ ባህሪ እንተ ደኣ
ተመልኪትና ዋጋ የብሉን። ናብ ዝረኸብናዮ ክብሪ እንተ ተመልኪትና ግና
ወዲ-ሰብ ክቡር’ዩ። “ኣምላኽ ወሰደ” ምስቲ ቅድሚኡ ዘሎ ቃል
“እግዚኣብሔር ንሰብ ፈጠረ” ዝብል ከመይ ትርእዮ። ኣብ’ዚ ጽሑፍ ብዛዕባ
ሓድሽ ፍጥረት ወዲ-ሰብ’ዩ ዝዛረብ ዘሎ። ብዛዕባ ወዲ-ሰብ እንተ
ዘይተማሂርና፡ እቲ ታሪኽ ከምዚ ይብል “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ
ካብ ሓመድ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጭኡ ድም ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ።
እቲ ሰብ ህያዉ ነፍሲ ኮነ” (ዘፍ 2:7) ኣቐዲሙ ሓደ ከምዚ ኢሉ ነይሩ “ገበረ”
ንስጋ ክኸዉን ከሎ “ፈጠረ” ግና ንነፍሲ’ዩ። ከም ሓቂ እዚ ሓሳባት ካብ ሓቂ

- 13 -
ወዲ ሰብ
ወጻኢ ኣይኮነን። ቃል ከም ዝብሎ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ”
(ዘፍ 1:27) ኣብዚ ፈጠረ ይብል። እቲ ጸሓፊ ብዛዕባ ስጋና ክዛረብ ከሎ “ገበረ”
ይብል። ዘማራይ ዳዊት ብዛዕባ ፍልልይ “ፈጠረ”ን “ገበረ”ን ክምህር ከሎ
“ኣእዳዉካ ገበራንን ፈጠራንን” ይብል (መዝ 119:73)። ነታ ናይ ዉሽጢ
ነፍሲ ፈጢርዋ፡ ነቲ ደጋዊ ከኣ ገበሮ። ከም ሓቂ “ገበረ” ምስ ሓመድ
ዝሰማማዕ’ዩ። ፈጠረ ግና ነቲ መልክዕ’ዩ። ከምቲ’ታ ስጋ ዝተገብረት እታ
ነፍሲ ከኣ ተፈጢራ።………………… ከመይ ኢልካ ከም ዝተሰራሕካ
ኣስተንትን ንዕዮ ስነ-ፍጥረት ኣብ ግምት የእትዋ። እታ ዝተቐበለትካ ኢድ
ናይ እግዚኣብሔር’ያ። እታ ብኢድ እግዚኣብሔር ዝተገብረት ብዲያብሎስ
ክትረክስ፡ ብሓጢኣት ክትልወጥ፡ ካብ ኢድ እግዚኣብሔር ክትወጽእ የብላን።
ንስኻ ብኣምላኽ ዝተሰራሕካ ካብኡ ዝመጻእካ ኢኻ። ንፈጣሪኻ ኣመስግን፡
ንስኻ ንክብሪ እግዚኣብሔር ክትበቅዕ ዝመጻእካ መሳርሒ’ኻ እንበር ካልእ
ኣይኮንካን። ንዓኻ ኩሉ ዓለም ንክብሪ እግዚኣብሔር ዝገልጽ መጽሓፍ’ዩ።
ብገዛእ ርእሱ ነቲ ሕቡእን ዘይርኤን ክብሪ እግዚኣብሔር ንዓኻ ነቲ ኣእምሮ
ገይሩ ንሓቂ ክርዳእ ዝኽእል ይገልጸልካ። ስለዚ ነቲ ኩሉ ዝበሃለካ
ተጠንቂቅካ ኣስተብህሎ። 11

ቅዱስ ኢራንዮስ

“ኣብቲ መጀመርያ ብኣዳም ኣቢልና ክንቀዉም ከለና። እቲ ካብ


እግዚኣብሔር ዝተቐበልናዮ ናይ ህይወት እስትንፋስ፡ ምስቲ ኣምላኽ ዝገበሮ
ተወሃሃደ። ንሰብ ህያዉ ገበሮ፡ ኣእምሮ ሂቡ ከኣ ገለጾ። ኣብ መወዳእታ ከኣ
ሎጎስ (ቃል) ናይ ኣቦ፡ መንፈስ እግዚኣብሔር ምስቲ ናይ ጥንቲ ትሕዝቶ
ስነ-ፍጥረት ኣዳም ተወሃሃደ። ከምቲ ኣቦ ፍጹም ዝኾነ፡ ንሰብ ኸኣ ህያዉን
ፍጹምን ገበሮ። በዚ ምኽንያት ከምቲ ብባህርያዊ (ኣዳም) ኩልና መወቲ
ዝኾንና፡ በቲ መንፈሳዊ ኩልና ህያዋን ኮይንና ተፈጠርና። ኣብ ዝኾነ ይኹን
ግዜ፡ ኣዳም ብፍጹም ካብ ኢድ እግዚኣብሔር ክወጽእ ኣይክእልን’ዩ። ኣቦ
ንመን’ዩ ከምዚ እንዳ በለ ዝዛረቦ “ ብመክልዕናን ምስልናን ሰብ ንፍጠር።”
በዚ ምኽንያት ኣብ መወዳእታ ግዜ “ ወይ ካብ ፍትወት ስጋ ወይ ካብ ድላይ

11
St.Basil, On the human condition 2,2-4 p 49-51

- 14 -
ወዲ ሰብ
ሰብኣይ ዘይኮኑ።”(ዮሃ 1:13) እንታይ ደኣ ካብ ጽቡቕ ፍቓድ ኣቦ፡ ኣእዳዉ
እግዚኣብሔር ህያዉ ሰብ ገበረ። በዚ ምኽንያት፡ ኣዳም ብመልክዕን ምስልን
እግዚኣብሔር ተፈጥረ።” 12

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ

“ስለዚ፡ ኣብ ሻድሻይ መዓልቲ ጎይታ ካብ መሬት ወሲዱ ንኣዳም ገበሮ፡


ናብ ኣፍንጭኡ ከኣ ህይወት ዝህብ እስትንፋስ ኡፍ በለሉ፡ ኣዳም ከኣ ህያዉ
ኮነ (ዘፍ 2:7)። ዋላ’ኳ እንስሳታት፣ ከብቲ፣ ኣዕዋፍ ክፋረዩ ብምኽኣሎም በዚ
ነገር ምስ ኣዳም ማዕረ እንተ ኾኑ፡ ብተመሳሳሊ ንሳቶም’ዉን ህይወት
ኣለዎም። ኣምላኽ ክሳብ ሕጂ ንኣዳም ብብዙሕ መንገዲታት ክብሪ ሂብዎ’ዩ።
መጀመርያ ከምዚ ይብል “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከኣ ካብ ምድሪ ሓመድ
ወሲዱ ንሰብ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጭኡ ድማ ህይወት ዚህብ እስትንፋስ ኡፍ
በለሉ። ሰብ ከኣ ህይወት ዘለዎ ኮነ (ዘፍ 2:7)። ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ገነትን
ኣብ ልዕሊ ኩሉ ካብ ገነት ወጻኢ ዘሎ ገዛኢ ገበሮ። ክብሪ እግዚኣብሔር
እንተ ተረድኦ ኢሉ ኣምላኽ ግርማ ከደኖ፡ ኣእምሮ ከኣ ሃቦ።” 13

12
Saint Irenaeus, Against heresis, bk V chap I(3), Ante-nicene fathers, I:527.
13
St, Ephrem the Syrian, On Genesis, section II,4 fe 74;99

- 15 -
ወዲ ሰብ

፭- “ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር” (ዘፍ 1:26)


ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ ሰብ ብመልክዕን ምስልን እግዚኣብሔር’ዩ
ተፈጢሩ ኢልና ነይርና። ብርግጽ ኣብ’ቲ መልክዕን ምስልን ዝብል ቃላት
እንተ ደኣ ርኢና፡ ዓሚቕ ምስትዉዓል ዘድልዮ ኮይኑ ንረኽቦ። ቅድሚ ኩሉ
ግና ከም ሓፈሻዊ ኣፍልጦ ክንፈልጦ ዘለና፡ ንሕና ብመልክዕን ምስልን
ተፈጢርና ክንብል ከለና፡ ብኣካላዊ መልክዕን ባህርን ምስ እግዚኣብሔር
ንመሳሰል ከም ዘይኮና ክንፈልጥ ኣለና። ምኽንያቱ ኣምላኽ መንፈስ’ዩ። (ዮሃ
4:24) ንሱ ረቂቕ ንሕና ግና ግዛዕ ኢና። ስለዚ ኣብ መንጎና መሰረታዊ
ፍልልይ ኣሎ።

ቅዱስ ባስልዮስ

“በየናይ መልክዕ ኢና ንሕና ብመልክዕ እግዚኣብሔር ተፈጢርና


ንበሃል። ብዛዕባ ኣምላኽ ኣብ እንሓስበሉ እዋን፡ ንነፍስና ካብ’ቲ ሕማቕ
ትምህርትን ናይ መሃይማን ርድኢትን ነንጽሃዮ። ናብቲ ብመልክዕ
እግዚኣብሔር ዝብል እንተ ደኣ ተመሊስና። ገሊኦም ኣምላኽ ከማና ቅርጺ
ኣለዎ ይብሉ። ዓይኒ፣ እዝኒ፣ ርእሲ፣ ኢድ፣ ዝድገፈሉ ሕቆ ኣለዎ። ከምቲ
ኣብ ጽሑፍ ኣምላኽ ይቕመጥ ስለ ዝብል (መዝ 47:8)፡ ከምኡ’ዉን እግሪ
ዝኸደሉ ኣለዎ ይብሉ። ኣምላኽ ነዚ’ዶ ይመስል፧ ካብ ልብኹም ነቲ ዕዉር
ሕልሚ ኣርሕቕዎ። ካብ’ቲ ምስ ዕቤት እግዚኣብሔር ዘይከይድ ኣተሓሳስባ
ርሓቑ። ኣምላኽ ብዘይ ቅርጽን ልዕሊ ርድኢትናን ኢዩ። ኣብኡ ቅርጺ
ዝብሃል ኣይትሕሰቡ። ነቲ ልዑል ከም ኣይሁዳዉያን ኣይተነኣእስዎ።
ንኣምላኽ ብመልክዕ ስጋ ክትድርትዎ ኣይትሕሰቡ ወይ እዉን
ብኣተሓሳስባኹም ክትዉስንዎ ኣይትድለዩ። ንሱ ብዕቤቱ ልዕሊ እቲ
ንርድኦ’ዩ። ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ነገር ሕሰቡ፡ነቲ ልዑል ነገር ካልእ ልዕሊ
ርድኢትኩም ዝኾነ ኣዚዩ ልዑል ዝኾነ ነገር ወስኽሉ። ነቲ ብዙሕ ብዙሕ
ወስኽሉ። ብቅርጺ ኣይትረድእዎ። ኣምላኽ፡ ካብቲ ዘይተሓላለኸ ባህሪኡ
ብሓይሉ ይፍለጥ ደኣ እንበር፡ ካብ ገዚፍ ቅርጹ ኣይኮነን። ንሱ ኣብ ኩሉ
ኣሎ፡ ካብ ኩሉ ከኣ ይበልጽ። ክጭበጥ፣ ክርኤ፣ ብሓቂ ክድህሰስ ዘይከኣል’ዩ።
ንሱ ብስፍሓት ዘይዉሰን፣ ብቕርጺ ዘይድረት፣ ብሓይሊ ዘይዕቀን፣ ብግዜ

- 16 -
ወዲ ሰብ
ዘይድረት፣ ወሰን ዘይብሉ’ዩ። ካብ’ቲ ምሳና ዘሎ ዋላ ሓንቲ ትኹን ምስ
ኣምላኽ ዝመሳሰል የለን።” 14

ካብ ትምህርቲ ቅዱስ ባስልዮስ ከም ንርድኦ። ሰብ ከም ኣካላዊ መልክዕን


ምስልን እግዚኣብሔር ከም ዘይኮንና ኢና ንርዳእ። ምኽንያቱ ንኣምላኽ
ብኣካል፣ ቅርጺ፣ መልክዕ ክንዉስኖ ስለ ዘይንኽእል፡ ከምዚ’ዩ ዝመስል ኢልና
ክንገልጾ ብፍጹም ኣይግባእን። እሞ ደኣ ከም’ኡ እንተ ደኣ ኮይኑ፡ እዚ ኣብ
መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ቃል እንታይ ኢዩ ትርጉሙ። ብመልክዕን ምስልን
ኣምላኽ ተፈጢርና እንተ ደኣ ኢልና። እቲ መልክዕን ምስልን እንታይ’ዩ
ዝብል ከኣ ብትምህርቲ ቤተክርስትያን ክንምርምር ግድን’ዩ። ቤተክርስትያን
ነቲ መልክዕን ምስልን ዝብል ቃላት ብኸምዚ ትገልጾ።

ንሕና ብመልክዕን ምስልን እግዚኣብሔር ተፈጢርና ንብል፡ ነዞም ዝስዕቡ


ሓሙሽተ ባህርያት ሒዝና ስለ ዝተፈጠርና’ዩ።

ሀ) ዘለኣለማዉነት
ለ) ልቦና (ኣእምሮ)
ሐ) ነጻ ምርጫ
መ) ስልጣን
ረ) ቅድስና (ጽባቐ)

ገለ ገለ ኣቦታት ቤተክርስትያን ክገልጹ ከለዉ፡ መልክዕን ምስልን ተባሂሉ


ዘሎ። ነቲ ምልኣት ግዜ ምስ በጽሔ እግዚኣብሔር ወልድ (ሎጎስ)፡ ነቲ ካብ
ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ስጋዊ ባህርን መልክዕን ኣብ’ዚ
ምድሪ ዝተመላለሶን’ዩ ይብሉ። ብዙሓት ግና ኣብተን ሓሙሽተ ነጥብታት
ይሰማምዑ።

14
St, Basil, On the human condition, 1,5 page 34
- 17 -
ወዲ ሰብ
ሀ) ዘለኣለማዉነት

እግዚኣብሔር ብመጀመርያ ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ፡ ዘለኣለማዊ ገይሩ’ዩ


ፈጢርዎ። ኣብ ገነት ከቐምጦ ከሎ’ዉን ብተኣዛዝነት ኣብኡ ክነብር፡ ደሓር
ናብ’ቲ ተዳልዩሉ ዝነበረ ናይ ክብሪ ቦታ ክሰጋገር’ዩ። ዘለኣለማዉነት ሓደ
ካብ’ቲ እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ዝሃቦ ጸጋ’ዩ። “እግዚኣብሔር ንሰብ
ዘይመዉት ገይሩ’ዩ ፈጢርዎ፡ እወ ብመልክዑ ዘለኣለማዊ ገይሩ’ዩ ፈጢርዎ።”
(መጽሓፈ ጥበብ 2:23)

ሞት ካብ መጀመርያ ኣይተፈጥረን፡ እንታይ ደኣ ካብ ዘይተኣዛዝነት ቀጺሉ


ዝመጸ ዉጽኢት’ዩ። ኣዳም ዝሞቶ ሞት፡ ሓጢኣት ድሕሪ ምስርሑን
ዘይምእዛዙን’ዩ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብለና፡ ኣዳም ሓጢኣት ምስ
ሰርሔ እግዚኣብሔር ከም’ዚ በሎ። “ኣዳም መሬት ኢኻ’ሞ ናብ መሬት
ተመለስ” (ዘፍ 3:19) ቅዱስ ኣትናቴዎስ ከም’ዚ ይብል “ኣምላኽ ኣብ ገነቱ
ኣቐመጦም፡ ሓደ ትእዛዝ ድማ ገበረሎም። ንጸግኦም እንተ ዝሕልዉዎ፡ ነቲ
ናይ መጀመርያ ንጽህንኦም እንተ ዝዕቅብዎ ህይወት ናይ ገነት ናቶም’ዩ
ነይሩ። ብዘይ ሓዘን፡ ስቅያት ነይሮም፡ ደሓር ኣብ መንግስተ ሰማያት
ዘለኣለማዉያን ኮይኖም ብርግጽ ምነበሩ። ብነዉራምን ዝንቡልን መንገዲ
እንተ ከይዶም ግና፡ ነቲ ምስኦም ዝተፈጥረ ቅድስና ክሕደጉ፡ ብድሕር’ዚ
ናብ ትሕቲ ባህርያዊ ሕጊ ክመጹን ካብ ገነት ክባረሩን ካብኡ ወጺኦም
ክሞቱን ኣብ ሞትን ሓጢኣትን ክቕጽሉን’ዩ።” 15

ለ) ኣእምሮ (ልቦና)

ወዲ ሰብ ብመልክዕ እግዚኣብሔር ተፈጢሩ ካብ ዘብለና ሓደ ኣእምሮ


ዘለዎ ኮይኑ ስለ ዝተፈጥረ’ዩ። በዚ ኣእምሮ ገይሩ ንኣምላኹ ይፈልጥን
ትእዛዙ የኽብርን። ቅዱስ ቀሌሜንጦስ ናይ እስክንድርያ ከምዚ ይብል፣
“መልክዕ እግዚኣብሔር” ማለት ነቲ ሎጎስ ዝኾነ ቃል ኢዩ…..መልክዕ
ናይ’ቲ ቃል፡ ሓቀኛ ሰብ’ዩ። እዚ’ዩ እቲ ኣእምሮ ኣብ ሰብ ዘሎ። በዚ
መንጽር’ዩ ብመልክዕን ምስልን እግዚኣብሔር ተፈጢሩ ዝበለ። ምኽንያቱ

15
On the Incarnation 1,3

- 18 -
ወዲ ሰብ
በቲ ዘስተዉዕል ልቡ ገይሩ ልክዕ ከም ኣምላኻዊ ቃል ወይ ኣእምሮ (ሎጎስ)
ኮይኑ ተፈጢሩ።” 16

ቅዱስ ባስልዮስ እዉን ከምዚ ይብል “ከም መልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ


ንፍጠር” እዚ ማለት ንዑ ንልዕልና ናይ ኣእምሮ ንሃቦ ማለት’ዩ።” 17
ብተመሳሳሊ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ከም’ዚ ይብል “ስለዚ ኣብ ልዕሊኦም ኣብ
ልዕሊ ሰባት ብባህሪኦም ከም እንስሳታት ግዝያዉያን ዝኾኑ። ኣብ ልዕሊኦም
ካልኦት ፍጡራት ክረኽብዎ ዘይከኣሉ ጸጋ ጸገዎም። ማለት ብናቱ መልክዕ
ሓተሞም። ናይ እግዚኣብሔር ቃል፡ ልቦናዊ ባህሪ ኣካፈሎም። ስለዚ ንዕኡ
ክመስሉን ንገዛእ ርእሶም ኣእምሮ ዘለዎምን ንሕልና ኣምላኽ ከኣ ከምኡ
ገይሮም ክገልጽዎን። ዋላ’ኳ ምናልባት ክሳብ ዝተወሰነ ደረጃ እንተ ኾነ
ንዘለኣለም ዝተባረኸን እቲ እንኮ ሓቀኛን ህይወት ናይ ቅዱሳን ኣብ ገነት
ክቕጽሉን’ዩ።” 18

ሐ) ነጻ ምርጫ

እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ብመጀመርያ ቅዱስ ገይሩ’ኳ እንተ ፈጠሮ፡ ነቲ


ቅድስና ናይ ምዕቃብ ምርጫ ግና ምሉእ ብምሉእ ንኣዳም’ዩ ተዋሂብዎ።
ብኣእምርኡ ገይሩ ክሓስብ፡ ሕማቕን ጽቡቕን ክዕዘብን ከመዛዝንን ብምሉእ
ልቡን ፍቓዱን ንእግዚኣብሔር ክእዘዝ፡ ካብ ዝብል ሰናይ ፍቓድ’ዩ ነጻ-
ምርጫ ተዋሂብዎ። “ኣብ መጀመርያ ንሰብ ዝፈጠሮ ባዕሉ እግዚኣብሔር’ዩ፡
ዘደለዮ ኪገብር ከኣ ሓይሊ ናጽነት ሃቦ፡ እንተ ደሊኻ ንትእዛዝ እግዚኣብሔር
ክትሕልዎ ትኽእል ኢኻ፡ ናጻ ስለ ዝኾንካ ኸኣ እሙን ኼንካ ንኽትነብር
ክትዉስን ትኽእል ኢኻ። ንሱ ሓዉን ማይን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢሩ ኣሎ፡
ኢድካ ስደድ’ሞ ኣብቲ ዝደለኻዮ እለኽ። ኣብ ቅድሚ ሰብ፡ ህይወትን ሞትን
ቀሪበን ኣለዋ። እቲ ዝመረጾ ኸኣ ኪወሃቦ’ዩ።” (ጥበብ ኢያሱ ወዲ ሲራክ
15:14-17)

16
Exhortation to Greeks 10
17
On the human condition 1,7 page 36.
18
On the incarnation 1,3

- 19 -
ወዲ ሰብ
ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጎይታ’ዩ። እዚ ማለትና፡ ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱ
ብዝደለዮ መንገዲ ክስዕብ ምሉእ ምርጫን ስልጣንን ኣለዎ። ኣብ
መጀመርያ’ዉን እግዚኣብሔር ነቲ ዝፈጠሮ ወዲ-ሰብ ከምዚ ክብሎ ንርኢ።
“ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኩሉ ብላዕ። ካብ ፈረ እታ ጹቡቕን
ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ብዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመዉት
ኢኻ’ሞ ካብኣ ኣይትብላዕ።” (ዘፍ 2:16,17) ኣብ’ዚ እግዚኣብሔር ንኣዳም
ክልተ ምርጫ’ዩ ሂብዎ፡ ንሱ ከኣ ሞትን ህይወትን’ዩ። እቲ ህይወት
ብተኣዛዝነት ዝርከብ ክኸዉን ከሎ፡ እቲ ሞት ግና ብዘይ ምእዛዝ ዝመጽእ
ሳዕቤን’ዩ። መቸም ኣብ ሞንጎ ክልተ ምርጫታት፡ ክልተ ቀጺሎም ዝመጹ
ዉጽኢት ናይ’ቲ ምርጫ ኣለዉ። ክልቲኦም ጽቡቕ ክኾኑ ኣይክእሉን’ዮም
ወይ እዉን ክልቲኦም ሕማቕ ኣይኮኑን’ዮም። እቲ ምርጫ ኩሉ ግዜ ኣብ
ሞንጎ ክልተ ተቓረንቲ ነገራት’ዩ ዘሎ። ሃዋርያ ጳዉሎስ ከም’ዚ ይብል።
“ከመይ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት’ዩ። ዉህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ
ኢየሱስ ጎይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ።” (ሮሜ 6:23)

እግዚኣብሔር ነቲ ብመስዋእቱ ደስ ዘየበሎ ቃኤል፡ ከምዚ ክብሎ ንርኢ።


“ሰለምንታይ ኮሮኻ፡ ሰለምንታይ ትጽወግ፡ ጽቡቕ ጌርካ እንተ ትኸዉን’ሲ
ገጽካ ምበርሄ ነይሩ። ጽቡቕ ስለ ዘይገበርካ ግና ሓጢኣት ኣብ ኣፍ-ደገ
ኮይና ትቃጸወካ ኣላ። ንሳ ክትስዕረካ ትደሊ ኣላ፡ ንስካ ግና ከም ትስዕራ
ግበር።” (ዘፍ 4:7) ንሓጢኣት ናይ ምስዓርን ዘይምስዓርን ምርጫ ኣብ ኢድ
ቃኤል’ዩ ነይሩ። እግዚኣብሔር ንቃኤል ምሉእ ስልጣን ከም ዘለዎ
ይገልጸሉ። እዚ ቅድሚ ሓጢኣት ምስርሑ ማለት ንደም ንጹህ ሓዉ ኣቤል
ቅድሚ ምቕታሉ’ዩ። ኣብ ናይ ግላዊ ዉሳኔ ወዲ-ሰብ፡ እግዚኣብሔር ኩሉ
ግዜ ኣይኣቱን’ዩ። እቲ ቅኑዕ መንገዲ ካብ ምሕባር ግና ፈጺሙ
ኣየቋርጽን’ዩ።

ብዙሕ ግዜ ከም ልምዳዊ ኣበሃህላ፡ ንሕና በቲ እግዚኣብሔር ዝመደበልና


መንገዲ (ጽሕፍቶ) ኢና ንነብር ዝብል ምጉት ዉልቀ-ሰባት ኣሎ። እዚ
ብመሰረቱ ጌጋ ብሂል’ዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ህይወትና ብጽሕፍቶ ዘይኮነ
ብናትና ድልየትን ዉሳኔን’ዩ ዝኸይድ። ናይቲ ዉሳኔ ተሓተቲ ከኣ ባዕላትና
ኢና። ምኽንያቱ ህይወት ወዲ-ሰብ ብጽሕፍቶ እንተ ደኣ ዝኸዉን ኮይኑ።

- 20 -
ወዲ ሰብ
ህይወት ሓንቲ ዝተጻሕፈት ድራማ፡ ኩሎም ደቂ ሰባት ከኣ ተዋሳእታ ኢልና
ምደምደምና ኔርና። ኣብ መወዳእታ እዉን ፍርዲ ኣይመሃለወን ነይሩ።
ምኽንያቱ ሰባት ናይ ኣቐዲሙ ዝተጻሕፈ ዛንታ ተዋሳእቲ ስለ ዝኾኑ፡ ናይቲ
ደራሲ መንገዲ ሒዞም’ዮም ዝኸዱ። ስለዚ ብቀንዱ እቲ ደራሲ ደኣ እንበር
እቲ ተዋስኣይ ንበይኑ ኣይዉቀስን’ዩ።

ስለዚ ደቂ ሰባት ኣብ ዝገብርዎ ዉሳኔን ዝኸድዎ መንገድን ምሉእ


ሓላፍነት ኣለዎም። እንተ ኾነ ኣብ’ቲ ጉዕዞ ብናይ ቅድስና ህይወት ክጓዓዙ
ምስ ወሰኑ ግና ጸጋ ኣምላኽ ይድግፎምን’ዩ። ናብ ፍጽምና ኣቢሎም ክጓዓዙ
ከኣ ይመርሖም። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ዕዮ ድሕነቶም ደቂ ሰባት ምስ
ኣምላኽ መዓይይቲ ኢዮም።

መ) ሥልጣን

“ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳ ዘቤትን ንብዘላ ምድርን፡ ኣብ


ምድሪ ለመም ንዚብል ኩሉ ለመምታን ይግዝኡ።”(ዘፍ 1:26) ሓደ ኣካል እቲ
ኣምላኻዊ መልክዕ፡ ሥልጣን ኢዩ። እዚ ሥልጣን’ዚ ኣብ ልዕሊ ፍጥረት
ኣምላኽን ኣብ ገዛእ ርእሱን ዝተዋሃቦ’ዩ። ኣብ ገዛእ ርእሱን ፍጥረት
ኣምላኽን ሥልጣን ኣለዎ ክንብል ከለና፡ ንድልየታቱን ስምዒታቱን እንዳ
ተቆጻጸረ ብቕድስና ክነብር። ንኩሉ ፍጥረት ኣምላኽ ከኣ ንክብሪ ኣምላኽን
ዕብየቱን እንዳ ተጠቀመ ምእንቲ ክግልገለሎም፡ ኣምላኽ ምሉእ ስልጣን
ሂብዎ።

ቅዱስ ባስልዮስ

“ይግዝኡ ማለት ንደቂ ሰባት ዝቁጥዑ፣ ዝሓዝኑ፣ ዝረኽሱ ክንከዉን


ኣይኮነን። ስምዒት ኣብቲ መልክዕ እግዚኣብሔር እትዉ ኣይኮነን።
ኣተሓሳስባ ግና ጎይታ ስምዒት’ዩ። ንዓሳታት ባሕሪ ይግዝኡ። ኣብቲ
ዝተፈጠርካሉ ግዜ ገዛኢ ከኣ ኴንካ…… ይግዝኡ…… ካብ ኣምላኽ
ተቐቢልካዮ። ኣብ ጽላት ወይ ወረቐት ዝተጻሕፈ ኣብ ኣዋርሕ ዝበርስ
ኣይነበረን። ነገር ግን ባህርኻ ብኣምላኻዊ ቃል ዝተጻሕፈ “ይግዝኡ”
ዝብል’ዩ።…………ብመጀመርያ ናይ ስልጣን ሓይሊ ተዓደለካ……. ኦ ወዲ-

- 21 -
ወዲ ሰብ
ሰብ ንስኻ ገዛኢ ኢኻ። ስለምንታይ ደኣ ንስሚዕትካ ከም ባርያ ኴንካ
ትግዛእ፧ ስለምንታይ ነቲ ናትካ ክብሪ ደርቢኻ፡ ባርያ ናይ ሓጢኣት ኴንካ፧
ብምንታይ ምኽንያት ንገዛእ ርእስኻ ናይ ዲያብሎስ እስርቲ ገበርካያ፧ ንስኻ
ገዛኢ ፍጥረታት ክትከዉን ዝተሓጸኻ ኢኻ። ክብሪ ናይ ባህሪኻ ግና ባዕልኻ
ነጸግካዮ……..ስለ’ዚ “ንሰብ ንፍጠር፡ ይግዛእ ከኣ” ኣብ’ቲ ሓይሊ ናይ ስልጣን
ዘለዎ፡ መልክዕ እግዚኣብሔር ኣለዎ።” 19

ረ) ቅድስና

እግዚኣብሔር ናይ ኩሉ ቅድስናን ጽቡቕ ነገርን ምንጪ’ዩ። ንወዲ-ሰብ


ክፈጥሮ ከሎ እዉን ካብ’ቲ ናቱ ቅድስናን ጽቡቕ ነገርን ተበጊሱ’ዩ ፈጢርዎ።
ብኩሉ ጽቡቕ ነገራት መልኦ፡ ንኽመርጽ ከኣ ክእለት ሃቦ። ድምር ናይ’ዚ
ኩሉ ከኣ ነጻ ኮይኑ ኩሉ ሰናይ ነገራት ክገብር ይኽእል።

ከም’ቲ ናይ ወዲሰብ ደኣ ኣይኹን እንበር። ኩሉ ፍጥረታት’ዉን


ብጽባቐ’ዩ ተፈጢሩ።“ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ኩሉ ረኣየ፡ እንሆ ኣዝዩ
ጽቡቕ ነበረ።” (ዘፍ 1:31) ካብ ካልኦት ፍጥረታት ፍልይ ዘብለና ግና ንሕና
ብቕድስና ስለ ዝተፈጠርናን ብቕድስና ክነብር ስለ ዝተጸዋዕናን ኢዩ።

ቅዱስ ባስልዮስ

“ኣምላኽ ኣቕኒዑ ፈጢሩካ፡ ንሱ ካብ ካልኦት እንስሳታት ፈልዩ ነቲ ብሉጽ


ዝኾነ ኣቋዉማ ሂቡካ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ኣምላኽ ዝመደበልካ
ናትካ ስራሕ ፍሉይ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ኢዮም እንስሳታት ሳዕሪ ዝበልዑ።
ንሶም ናብቲ ብዕላማ ዝተፈጥርሉ ባህሪ፡ ናብቲ ነገራት ኣቢሎም ይቐንዑ።
በጊዕ ናብ ልሙዕ ሻኻ ክትከይድ ተፈጢራ። ናብ ከስዓን ኣብ ትሕቲ ከስዓን
ዘሎ ኣካላት ኣቢላ ትጥምት። ስለዚ ከኣ ርእሳ ንታሕቲ ኣቢሉ ይቐንን።
ነዞም እንስሳታት ሓጎስ ማለት ከስዔኻ ምምላእን ብእኡ ምድሳትን’ዩ። ወዲ-
ሰብ ግና ናብ ከስዕኡ ኣቢሉ ክጥምት ኣይኮነን ተፈጢሩ። እንታይ ደኣ ርእሱ
ናብ ላዕሊ ዘሎ ነገራት ከቕንዕ’ዩ። እዚ ናብቲ ምስኡ ዝሰማማዕ ምጥማት

19
On the human condition 1,8 page 37

- 22 -
ወዲ ሰብ
ማለት’ዩ። ኣዕይንቱ ናብ ምድሪ ኣቢሉ ክጥምት የብሉን። ስለዚ ነንብስኻ
ኣንጻር ባህርኻ ክትከይድ ኣይትሕደጋ። ናብ ሰማያዊ ኣብቲ ክርስቶስ ዘለዎ
እንተ ደኣ ዘይኮይኑ ናብ ምድራዊ ነገር ኣይተድህብ። “ ደጊም ምስ ክርስቶስ
ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም” ይብል እቲ ጽሑፍ። “ቀልብኹም ኣብቲ ኣብ
ሰማይ ዘሎ ነገራት ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ
ግበሩ።” (ቆሎ 3:1) ነዚ ኢኻ ተፈጢርካ። እቲ ንስኻ ዝተፈጠርካዮ ነቲ
ዝተወለድካሉ ዕላማ ትምህርቲ’ዩ። ንኣምላኽ ክትርኢ ኢኻ ተወሊድካ እንበር
ህይወትካ ናብ ምድሪ ክትስሓብ ኣይኮነን። ከምቲ ናይ ኣራዊት ደስታ
ክህልወካ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ሰማያዊ ዜግነት ክትረክብ’ዩ። በዚ
ምኽንያት’ዩ ከኣ “ ኣዕይንቲ ለባማት ኣብ ርእሶም’ዩ” (መክ 2:14) ዝበሎ እቲ
ጥበበኛ።” 20

ምልኣት ግዜ ምስ ኣኸለ እግዚኣብሔር ወልድ (ሎጎስ) ዝወሰዶ መልክዕ

ወዲ-ሰብ ብመልክዕን ምስልን እግዚኣብሔር ተፈጢሩ ክንብል ከለና፡


ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ዝትርጎም ክኸዉን ከሎ። ካልእ ካብ’ዚ ፍልይ
ዝበለ ግና እግዚኣብሔር ወልድ ኣብ ምልኣት ግዜ ምስ ኣኸለ፡ ብተሰጋዉነት
ዝወሰዶ ስጋን መልክዕን’ዩ ዝብሉ’ዉን ኣለዉ። ቅዱስ ኤራንዮስ ብዛዕባ’ዚ
ክጽሕፍ ከሎ ከምዚ ይብል። “ብሓቂ ኣብ ፈለማ እዋን ብመልክዕ
እግዚኣብሔር ተፈጢሩ ይብል። ብኸምኡ ግና ኣይተጋህደን። እቲ ሎጎስ
(ቃል) ወዲ ሰብ ብመልክዑ ዝተፈጥረ፡ ክሳብ ሽዑ ኣይተራእየን ነይሩ። ስለዚ
ወዲ-ሰብ ብቐሊሉ ነቲ ምስሊ ኣጥፍኦ። ቃል እግዚኣብሔር፡ ስጋ ምስ ፈጠረ
ግና፡ ንመልክዕን ምስልን ንክልቲኦም ገበረ። በቲ ሓደ ኢድ ብሓቂ ነቲ
መልክዑ ብምዃን ነቲ መልክዑ ገለጸ። በቲ ካልኣይ ወገን፡ ንሰብ ምስቲ
ዘይርኤ ኣቦ በቲ ዝርኤ ቃል (እግዚኣብሔር ወልድ) ብምዉህሃድ ነቲ ምስሊ
ብጽኑዕ ሰረቶ።” 21

20
On the human condition 2,15 page 61.
21
Irenaeus, Against heresis 5,16,2

- 23 -
ወዲ ሰብ
ወዲ-ሰብ ብመልክዕ እግዚኣብሔር ተፈጢሩ ክንብል ከለና፡ እቲ መልክዕ
ክርስቶስ’ዩ። ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ መልእኽቱ ከምዚ ይብል “ክርስቶስ ናይቲ
ዘይርኤ ኣምላኽ ምስልን፡ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ዝኾነ በኹሪ ወዱ
ንእግዚኣብሔር ኢዩ።” (ቆሎ 1፡15) ኣብ ካልእ ጥቕሲ’ዉን ከምዚ ይብል
“ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መንገድን ቀደም ነቦታትና ብነቢያት ገይሩ
ተዛረቦም። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ግና ንኣና በቲ ወራስ ኩሉ ዝገበሮ
ብእኡ’ዉን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና። ወልድ ናይ ኣምላኽ ክብሪ
ዜንጸባርቕ፡ ንኩሉ ነገር ብሓይሊ ቃሉ ዜቕዉም፡ ብባህሪኡ ፍጹም ኣርኣያ
እግዚኣብሔር ዝኾነ’ዩ።” (ዕብራ 1:1-3)

- 24 -
ወዲ ሰብ

፮- ፍልልይ መልክዕን ምስልን


መልክዕን ምስልን ክልተ ዝተፈላለየ ኣርእስታት’ዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ
ከምዚ ይብል።“ብመልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ ንፍጠር” (ዘፍ 1:26) ቀጺሉ
“ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ” (ዘፍ 1:27)። ኣብዚ ዳሕራይ ንምስሊ
ኣይጠቐሶን። እዚ ዘረድኦ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መሰረታዊ ናይ ትርጉምን
ትሕዝቶን ፍልልይ ከም ዘሎ’ዩ።

ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ፡ መልክዕ ማለት ነቶም ሓሙሽተ ባህርያት


ናይ ወዲ-ሰብ’ዩ ዝግለጽ ኢልና ኔርና። እዚ እንዳ ኾነ ከሎ፡ ምስሊ ግና
ካብ’ዚ ዝተፈለየ ብጸጋ ኣምላኽ ኣብ ዳሕራይ እዋን ዝግለጽ ባህሪ’ዩ። “ኣቱም
ፍቑራተይ፡ ሕጂ ዉሉድ ኣምላኽ ኢና። እንታይ ከም ንኸዉን ከኣ ገና
ኣይተገልጸን። ክርስቶስ ምስ ዚግለጽ ግና ከምታ ዘለዋ ክንርእዮ ኢና’ሞ
ንእኡ ከም እንመስል ንፈልጥ ኢና።”(1ይ ዮሃ 1:1-2) እዚ ምስሊ፡ ብወዲ
ኣምላኽ ኣባና ዘሎ ዘለኣለማዊ ምስሊ፡ ካብ ንፍጠር ጀሚሩ ኣባና
ዝተገልጸ’ዩ። “ነቶም ኣቐዲሙ ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋት በዀሮም
ምእንቲ ክኸዉን፡ ንምስሊ ወዱ ኪመስሉ ቀደም መደቦም።”(ሮሜ 8:29)

ንሕና ብመልክዕ እግዚኣብሔር ኢና ተፈጢርና። እቲ ምስሊ ግና፡ ኣብ’ዚ


ምድሪ እንዳ ነበርና፡ ብጸጋ ኣምላኽ እንዳ ዓበና እንኸዶን ኣብ ፍጻሜ
እንረኽቦ ዘለኣለማዊ ህይወትን’ዩ። ኣብዚ ምድሪ ብፍቓድ ኣምላኽ
ክንመላለስ ከለና ናብ’ቲ ፍጹም ምስሊ ኣቢልና ንጉዓዝ ኣለና ማለት’ዩ።
ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ካብ ክብሪ ናብ ክብሪ እንዳ ዓበየ ዝግለጽ ምስሊ’ዩ።
ንሕና ከኣ ብቅሉዕ ገጽ ክብሪ ጎይታ፡ ኢና ነንጸባርቕ። እዚ ካብቲ መንፈስ
ዝኾነ ጎይታ ዝመጸ ክብሪ ከኣ ናብ ምስሊ ኣርኣያኡ እናተለወጥና ካብ ክብሪ
ናብ ክብሪ ንሓልፍ።(2ይቆሮ 3:18) ቀጺሉ ኣብ ካልእ ከምዚ ይብል።
“ምእንትዚ’ዉን ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ኮነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኩሉ
ፍጥረት ብእኡ ዝተፈጥረ ኣቦ እምብርከኽ ኣሎኹ። ከምቲ ብዝሒ ክብሩ
መንፈሱ ብዉሽጥኹም ብሓይሊ ምእንቲ ኬበርትዓኩም እጽሊ ኣሎኹ።
ክርስቶስ ኣብ ልብኹም ብእምነት ምእንቲ ክሓድር፡ ኣብ ፍቕሪ ሱር
ምእንቲ ክትሰዱን ክትስረቱን። ምስ ኩሎም ቅዱሳን ኴንኩም ምግፍሑን

- 25 -
ወዲ ሰብ
ምንዉሑን ምዕማቑን እንታይ ሙኻኑ ምስትዉዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ነታ
ፍልጠት ሕልፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ክትፈልጥዋ፣ ክሳብ ኩሉ
ምልኣት ኣምላኽ ከኣ ምእንቲ ክትመልኡ እጽሊ ኣሎኹ።” (ኤፌ 3:14-19)
ኣብዚ ምልኣት ኢሉ ጠቒስዎ ዘሎ ሃዋርያ ጳዉሎስ ንሱ’ዩ ምስሊ ወዲ ሰብ።
ኣብ ካልእ ምዕራፍ ከምዚ ይብል። “ንሱ ከኣ ንገሊኦም ሓዋርያት፣ ንገሊኦም
ነብያት፣ ንገሊኦም ሰበኽቲ ወንጌል፣ ንገሊኦም ናይ ነፍሳት ጓሶት፣ ንገሊኦም
ከኣ መማህራን ገበሮም። እዚ ከኣ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት
ቤተክርስትያን ምእንቲ ክትህነጽ። እቶም ቅዱሳን ኣብ ኣገልግሎቶም
ፍጹማን ምእንቲ ኪኾኑ። ንሕና ከኣ ኩልና ብእምነት ሓደ ኴንና፡ ንወዲ
ኣምላኽ ፈሊጥና ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ክርስቶስ ምልኣት ብጽሕና ክሳዕ
እንበጽሕ’ዩ።”(ኤፌ 4:11-13)

በዚ ምኽንያት ቅዱስ ጳዉሎስ ክገልጽ ከሎ፡ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝቃለሶ


ዝነበረ ቃልሲ፡ ክሳብ ክርስቶስ ኣብ መእመናን ዝሰኣል ምግልጋል’ዩ። እዚ
ማለት መእመናን ናብ ምልኣት ክርስቶስ ዝበጽሑን በቲ ኣምላኻዊ ምስሊ
ዝመላለሱን’ዩ። ባዕሉ ከምዚ ይብል “ኣቱም ደቀይ፡ ክርስቶስ ኣባኻትኩም
ክሳዕ ዝሰኣል ከም ብሓድሽ ከም ብሕማም ሕርሲ እጽዕረልኩም ኣሎኹ።”
(ገላ 4:19) ብዛዕባ’ቲ ብጥምቀት ኣቢልና እንለብሶ ምስሊ ክርስቶስ ክዛረብ
እዉን ከምዚ ይብል “ከመይ ብክርስቶስ ዝተጠመቕኩም ዘበልኩም ንክርስቶስ
ለቢስክምዎ ኢኹም” (ገላ 3:27) ኣብ ካልእ መጽሓፉ’ዉን ከም’ዚ ይብል
“ከምኡ እዉን ነቲ ኣረጊት ሰብነት ምስ ኩሉ ግብሩ ቀንጢጥኩም፡ ነቲ ንእኡ
ምእንቲ ኪፈልጥ እቲ ፈጣሪኡ በኣርኣያኡ ዚሕደስ ዘሎ ሰብነት ዝለበስኩም
ስለ ዝኾንኩም ንሓድሕድኩም ኣይተሓሳሰዉ።” (ቆሎ 3:9-10)

ስለዚ ምስሊ ክንብል ከለና፡ ናብ ምልኣት ክርስቶስ ኣቢልና እንዓብዮ ጉዕዞ


ደቂ ሰባት ማለት’ዩ። መስፈርቱ ብኩልንትናና ንክርስቶስ ክሳብ ንመስል’ዩ።
እዚ ጠባይ ናይ ምስሊ፡ በቲ ድሩት ዓቕምና እኳ ክንገልጾ እንተ ዘይከኣልና
ትምህርቲ ሃዋርያ ጳዉሎስ ግና ንዓና እኹል’ዩ።

- 26 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ባስልዮስ ዓቢ

“ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር”(ዘፍ 1:26) ብፍጥረትና ነቲ


ቀዳማይ (መልክዕ) ንዉንን፡ ብነጻ ምርጫና ከኣ ነቲ ካልኣይ (ምስሊ)
ንሃንጽ። ኣብቲ ፈለማይ ቅርጽናን ህላዌናን ዝጀመረን ናብ ምንባር ዝመጸን
ብመልክዕ እግዚኣብሔር’ዩ። ብነጻ ምርጫና ከኣ ከም ምስሊ እግዚኣብሔር
ምዃና ንገልጽ። እዚ እቲ ብነጻ ምርጫ ዝኸዉን’ዩ። እቲ ሓይሊ ኣብ
ዉሽጥና ኣሎ። እንተ ኾነ ግና ብተግባርና ኣቢልና ኢና ነምጽኦ። ኣቐዲሙ
ጎይታ ክፈጥረና ከሎ “ንፍጠር”ን “ከም ምስልና”ን እንተ ዘይብል፡ ከም ምስሉ
ክንከዉን እዉን ሓይሊ እንተ ደኣ ዘይህበና ነይሩ። ንሕና ብስልጣና ነቲ ከም
ኣምላኽ ምምሳል ኣይምረኸብናዮን ኔርና። ክሳብ ሕጂ ከም ኣምላኽ
ክንመስል ዘኽእለናን ከም ኣምላኽ ክንከዉን ዝህብ ሓይልን ገይሩ ፈጢሩና።
ከም ኣምላኽ ናይ ምምሳል ቀረጽቲ ክንከዉን ፈቐደልና። ስለዚ ዓስቢ ናይቲ
ስራሕ ናትና’ዩ። እዚ ማለት ከምቲ ብቐራጻይ ዝተሰርሔ ስእሊ፡ ብሸለልትነት
ዝተቐመጠ፡ እቲ ምስልና ንካልኦት ክብሪ ዘዉህብ ኣይኮንናን ንመስል። ሓደ
ስእሊ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ስእሊ ተመሳሳሊ እንተ ደኣ ርኢኹም፡ ነቲ
ስእሊ ኣይተድንቕዎን ኢኹም። ነቲ ሰኣሊ ግና ተድንቕዎ። ብተመሳሳሊ
እቲ ኣድናቖት ምናልባት ናተይ ደኣ እንበር ናይ ካልእ ክኸዉን
ኣይክእልን’ዩ። ኣምላኽ ብምስሊ እግዚኣብሔር ክኸዉን ንዓይ ሓደገለይ።
ብመልክዕ እግዚኣብሔር ዝኸዉን ኣእምሮ ብምዉናን’ዩ። ከም ምስሊ
እግዚኣብሔር ዝኸዉን ግና ክርስትያን ብሙዃን’ዩ።” 22

ኦሪጋኖስ

“ብዛዕባ ቀዳማይ ፍጥረት ክጽሕፍ ከሎ፡ ቅድሚ ኩሉ ሙሴ ከምዚ በለ


“ኣምላኽ ከምዚ በለ “ብመልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ ንፍጠር” ቀጺሉ ከምዚ
ይዉስኽ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፡ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ።
ተባዕታይን ኣንስታይን ገይሩ ፈጠሮም ባረኾም ድማ” ኣብዚ ዝተዛረቦ ሓቂ
“ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ”። ብዛዕባ ምስሊ ዘይጠቀሰሉ ምኽንያት ካልእ

22
On the human condition 1,16 page 43-44.

- 27 -
ወዲ ሰብ
ዘይኮነ እዚ’ዩ። ወዲ-ሰብ ክብሪ መልክዕ እግዚኣብሔር ዝተቐበለሉ ኣብ ናይ
ፈለማ ክፍጠር ከሎ ኢዩ። ብቕዓት ከም ምስሊ እግዚኣብሔር ግና ኣብ
መፈጸምታ’ዩ ተዳልዩሉ ዘሎ። ዕላማ ናይዚ ከኣ ሰብ ባዕሉ ብገዛእ ጻዕሩ
ንኣምላኽ ክመስል ክጽዕር’ዩ። ስለዚ ተኽእሎ ናይ ፍጹምነት ካብ
መጀመርያ ብክብሪ ናይቲ መልክዕ ከም ዝተዋህቦ፡ ንሱ ከኣ ኣብ መወዳእታ
ብግብሪ ብምፍጻም ነቲ ፍጹም “ምስሊ” ብገዛእ ርእሱ ንምርካብ’ዩ።” 23

ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ

““ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር” ነቲ ሓደ ብፍጥረት ኣቢልና


ንዉንኖ። ነቲ ካልእ ከኣ ብነጻ ምርጫ ኣቢልና ንረኽቦ። ኣብቲ ቀዳማይ
ቁመናና ብመልክዕ እግዚኣብሔር ክንዉለድ በቒዕና። ብነጻ ምርጫ ከኣ
ምስሊ እግዚኣብሔር ኣባና ተሰረተ……………. “ብመልክዕና ሰብ ንፍጠር”
ኣብቲ መልክዕ ዘሎ ብፍጥረት ኣቢሉ ክዉንን፡ ከምኡ እዉን ነቲ ምስሊ
ክመስል ነፍቅደሉ። ኣምላኽ ነዚ ዝኸዉን ሓይሊ ዓደለና። ኣምላኽ ብምስሉ
እንተ ደኣ ዝፈጥረካ ነይሩ፡ እቲ ሓለፋ ደኣ ኣበይ ምሃለወ ነይሩ፧
ስለምንታይ ኣኽሊል ትደፍእ፧ ፈጣሪ ኩሉ ነገር እንተ ደኣ ሂቡካ። ከመይ
ኢሉ መንግስተ ሰማያት ንዓኻ ክኸፍተልካ፧ እንተ ኾነ ግና ነቲ ሓደ ክፋል
ዝኣክል ብምሃብ፡ ነቲ ሓደ ግና ጎደሎ ገይሩ ገደፎ። እዚ ምናልባት ባዕልኻ
ብገዛእ ርእስኻ ክትመልኦ፡ ነቲ ካብ ኣምላኽ ዝመጽእ ዓስቢ ምናልባት ብቑዕ
ክትከዉንን’ዩ።” 24

ከም ሓፈሻዊ መረዳእታ ኣምላኽ ከም ምስሉ’ዩ ፈጢሩና ደኣ እንበር


ብምስሉ ኣይኮነን። እዚ ማለት ንሕና ዉዱእ ምስሊ ናይ ኣምላኽ ኣይሓዝናን
ነይርና እንታይ ደኣ ብተኣዛዝነት ናብ’ቲ ናቱ ምስሊ እንዳ ዓበና ክንከይድ
ኣምላኽ ነቲ ምስሊ ክንመልኦ ሓዲጉና። ብምስሉ እንተ ዝኸዉን ግና ኩሉ
ነገር ዉዱእ ኮይኑ ናይ ደቂ ሰባት ተግባር ኣይመድለየን ነይሩ። ስለዚ ሓደ

23
Origen, On first principles 3,6,1
24
On the origin of man, Gregori Nysseni opera supplementum, 10, hadwiga horner, ed,
leiden. E.J. Brill 1972, quoted in ancient Christian commentary on scripture, Old
Testament vol I, p 33
- 28 -
ወዲ ሰብ
ደቒቕ ምስትብሃል ዝሓትት ነገር’ዩ። ከም ምስሊ እግዚኣብሔር ደኣ እንበር
ብምስሊ እግዚኣብሔር ኣይተፈጠርናን። ስለ’ዚ ኢዩ ከኣ ቅዱስ ጎርጎርዮስ
ኣምላኽ ብምስሉ እንተ ደኣ ዝፈጥረካ ነይሩ፡ እቲ ሓለፋ ደኣ ኣበይ ምሃለወ
ነይሩ፧ ክብል ዝሓተት። ስለዚ ምድንጋር መታን ከይገብረልና ክንፈላልዮ
ኣለና።

- 29 -
ወዲ ሰብ

፯- ትእዛዝ እግዚኣብሔር ንኣዳም


“እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ንሰብ ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ኣዘዞ። “ካብ ፈረ
እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኩሉ ብላዕ። ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን
እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ብዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመዉት
ኢኻ’ሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ።”” (ዘፍ 2:16-17) እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነዚ
ትእዛዝ ቅድሚ ምሃቡ፡ ገነትን ኣብኣ ዘሎ ኩሉ ፍጥረትን ንኣገልግሎቱን
ሃቦ። ኩሉ ህይወት ዘለዎ ፍጡር ንኣገልግሎት ኣዳም ኢሉ ተፈጥረ። ከምቲ
ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ንኣዳም ናይ’ዚ ኣብ ምድሪ ዘሎ
ኩሉ ፍጥረታት ገዛኢ ክገብሮ ከሎ፡ ካብ’ቲ ኣብ ልዕሊ ወዲ-ሰብ ዘለዎ
ፍቕሪ’ዩ ዝብገስ። ስለዚ ኣዳም ነዚ ኩሉ ህያባት ጸጋ እግዚኣብሔር ብፍቕሪ
መሊኡ እዩ ተቐቢልዎ። ብመንጽሩ እግዚኣብሔር ነዚ ትእዛዝ ክህቦ ከሎ፡
ከምቲ ንሱ ዘፍቅሮ፡ ወዲ-ሰብ እዉን ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ብፍቕሩ
ብተኣዛዝነቱ ኣቢሉ ንፈጣሪኡ ከም ዘፍቅሮ መታን ክገልጽ’ዩ። ወዲ-ሰብ
ብዘይካ ብተኣዛዝነት ኣቢሉ ንኣምላኽ ፍቕሩ ክገልጸሉ ዝኽእል ካልእ
መንገዲ የለን። ምኽንያቱ ካብ መጀመርያ ብባህርያቱ ብነጻ ምርጫ ስለ
ዝምራሕ’ዩ። እግዚኣብሔር ብክብርን ጎይታ-ምድርን ገይሩ ስለ ዝፈጠሮ፡ ነቲ
ትእዛዝ ብሓበን እንዳ ፈጸመ፡ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኡ ብርእሰ ምትእምማን
ኽነብር ነይርዎ።

ኣብ መጀመርያ እግዚኣብሔር ንኣዳም ትእዛዝ ክህቦ ከሎ፡ ምስቲ ትእዛዝ


ከኣ ዋጋ ዘይተኣዛዝነት ነጊርዎ’ዩ “ሞት ክትመዉት ኢኻ”። (ዘፍ 2:17) ሞት
ካብ ፈለማ ምስ ባህሪ ደቂ-ሰባት ዝተፈጥረ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኩሉ ግዜ
ትእዛዝ ምስ ጠሓስካ ዝመጽእ ዉጽኢት’ዩ። እቲ ናይ መጀመርያ ሞት ካብቲ
ወሃቢ ህይወት ዝኾነ እግዚኣብሔር ምፍላይ’ዩ። ኣብ መጀመርያ ትእዛዝ
እግዚኣብሔር ንኣዳም እንተ ደኣ ዘይተኣዚዝካ ክትመዉት ኢኻ ክብሎ ከሎ፡
እግዚኣብሔር ሕነ ክፈዲ ስለ ዝደለየ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ንኣምላኽ
ዘይምእዛዝ ከም ባህርያዊ ካብ እግዚኣብሔር ስለ ዝፈላሊ’ዩ። ስለዚ ፍሬ
ዘይተኣዛዝነት እንታይ ሙኻኑ ጥራይ ኢዩ ገሊጽሉ።

- 30 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ኢራንዮስ

“እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊኡ ደረት ኣቐመጠ። ስለዚ ነቲ ትእዛዝ


እግዚኣብሔር እንተ ደኣ ሓልዩ፡ ከምቲ ኩሉ ግዜ ዝነበሮ ዘይመዉት ኮይኑ
ምነበረ። እንተ ደኣ ዘይሓልዩ ግና መዋቲ፡ ናብቲ ኣካሉ ዝተወሰደሉ ምድሪ
ክምለስ ኢዩ። እቲ ትእዛዝ እዚ’ዩ ነይሩ “ካብ ኩሉ ፍረታት ናይ ገነት ብላዕ፡
ካብታ ጽቡቕን ሕማቕን እተፍልጥ ኦም ግና ኣይትብላዕ፡ ካብኣ ብዝበላዕካላ
መዓልቲ ክትመዉት ኢኻ።(ዘፍ 2:16,17 )” 25

እግዚኣብሔር ኣብ ገነት ክልተ ኣግራብ ገበረ። እታ ሓንቲ ሕማቕን


ጽቡቕን እትፈልጥ ክትከዉን ከላ፡ እታ ካልኣይቲ ከኣ ህይወት ትህብ
ገረብ’ያ። ኣብ ፈለማ ኣዳም ካብታ ሕማቕን ጽቡቕን እተፍልጥ ገረብ
ንኸይበልዕ ተኸልከለ። እዛ ገረብ ካብ ካልኦት ኣግራብ ናይ ገነት ዝተፈለየት
ስለ ዝኾነት ዘይኮነ፡ ማዕረ ክንደይ ንኣምላኹ ምእዙዝ ምዃኑ ንኽገልጸላ
መታን፡ ከም ትእዛዝ ንከይበልዕ ተኸልኪሉ። እታ ኣብ ኣዳም ዉድቀት
ዘምጽኤት ገረብ፡ በቲ ዘይተኣዛዚ ድልየት ደኣ እንበር፡ ኣብታ ገረብ
ዝተፈለየ ባህሪ ወይ እዉን ርኽስቲ ስለ ዝነበረት ኣይኮነን። ስለዚ ንኣዳም
ሞት ዘምጽኣትሉ ኣብ ፈለማ ዘይተኣዛዝነቱ’ዩ።

እታ ንኣዳም ፈተና ዝኾነቶ ኦም በለስ፡ ተኣዛዝነቱን ዘይተኣዛዝነቱን


ብተግባር ዘርእየላ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእዙዝ ሙኻኑ ብግብሪ ዘረጋገጸላ
ተኽሊ’ያ። ሕማቕን ጽቡቕን እተፍልጥ ኦም ዝተበሃለትሉ ምኽንያት ግና
ባህርና ከም ንፈልጥ ስለ ዝገበረትና’ዩ። ባህሪ ምፍላጥ ነቶም ናብ ብጽእና
ዝበጽሑ ሰባት ሓደ ጽቡቕ ነገር’ዩ። እንተ ኾነ ነቶም ናብ ብጽእና
ዘይበጽሑ ስሚዒታዉያንን ስሱዓትን ዝኾኑ ሰባት ግና ናብ ሞት ዘብጽሕ’ዩ።
ዘማራይ ዳዊት ከም’ዚ ይብል “እዚ ፍልጠት’ዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፡ ልዑል’ዩ።
ክርድኦ እዉን ኣይክእልን’የ።” (መዝ 139:6) ስለዚ ነቲ ድሒሩ ዝተፈጥረ
ኣዳም፡ እዚ ፍልጠት’ዚ ሓደገኛ ኢዩ ነይሩ።

25
St. Ireneaus, Epideixis, 15, MC steenberg, Ireneaus on creation, p 120

- 31 -
ወዲ ሰብ
ዲያብሎስ ኣቐዲሙ ነዚ ስለ ዝፈለጠን በቲ ንኣዳም ዝተዋህቦ ክብሪ ስለ
ዝቐንኤን ንኣዳም ካብቲ ዝነበሮ ጸጋ ንኸዉድቆ፡ ብኩሉ ሜላ ንኽጥቀም
ግድነት’ዩ ነይሩ። እቲ ቐንድን ሓደገኛን ሜልኡን ከኣ ንኣዳም ብሓሶት
ምትላል’ዩ። ብመጀመርያ እዉን ንሱ ሊቀ-መላእኽቲ ነይሩ፡ ዝወደቐ
መልኣኽ ስለ ዝኾነ፡ ናቱ ቶንኮላት ክሳብ እቲ ዝለዓለ ክኸይድ ግድነት’ዩ።
ንሱ ከኣ ንኣዳም ኣታሊሉ ካብ ተኣዛዝነት ናብ ዘይምእዛዝ ምምራሕ’ዩ።
ብኡ ኣቢሉ ከኣ ንኣዳም ናቱ እዙዝን ኣገልጋልን ምግባር’ዩ። ኣብ ተመን
ሓዲሩ ከኣ ንሄዋን ብሓሶት ኣታለላ። ከም’ዚ ከኣ በላ “ኣምላኽ ደኣ ካብታ
ካብኣ ዝበላዕኩምላ መዓልቲ ኩሉ ከም እትፈልጡ፡ ከም ኣምላኽ ከም
እትኾኑ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ኸም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ’ዩ ኣይትብልዑ
ዝበለኩም እንበር ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ። (ዘፍ 3:2-5)

ሄዋን ነታ ገረብ በሊዓ ንኣዳም ከም ዝበልዕ ምስ ገበረቶ። ብድኻም ሄዋን


ሞት ናብ ደቂ ሰባት ከም ዝኣቱ ገበረ። ኣብ’ዚ ክንፈልጦ ዘለና ዲያብሎስ
ንሄዋን ደኣ እንበር ንኣዳም ኣየታለሎን። ኣዳም ምሳሌ ክርስቶስ’ዩ፡ ሃዋርያ
ጳዉሎስ ከምዚ ይብል “እቲ ቀዳማይ ሰብ ኣዳም፡ ህይወት ዘለዎ ፍጡር ኮነ
ዚብል ጽሑፍ ኣሎ። እቲ ዳሕራይ ኣዳም ከኣ ህይወት ዚህብ ኮነ” (1ይቆሮ
15:45) ቀጺሉ “ከምኡ ከኣ ሰበይቲ እያ ተሓቢላ ኣብ ሓጢኣት ዝበጽሔት
እንበር ኣዳም ኣይተሓበለን።” ይብል (1ይ ጢሞ 2:14) ከምቲ ኣዳም ናይ
ክርስቶስ ምሳሌ ዝኾነ፡ ሄዋን ከኣ ናይ ቤተክስርትያን ምሳሌ’ያ። ሃዋርያ
ጳዉሎስ ከምዚ ይብል “ግናኸ ከምቲ ተመን ብጉርሑ ንሄዋን ዘስሓታ፡ ከምኡ
ንስኻትኩም እዉን ብሓሳብኩም ተታሊልኩም ካብቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎኩም
ምሉእን ንጹሕን ፍቕሪ ከይትርሕቁ እፈርህ ኣሎኹ።” (2ይ ቆሮ 11:3)

ኣዳምን ሄዋንን ካብ’ታ ገረብ ኣብ ዝበልዕሉ ግዜ ኣዕይንቶም ተኸፍተ፡


ጥራዮም ምዃኖም ከኣ ፈለጡ። ካብ መጀመርያ ጥራዮም’ዮም ነይሮም፡
ቆልዑ ኣይነበሩን ግና ኣይሓንኩን’ዮም ነይሮም። ምኽፋት የዕንቶም ግና ከም
ኣምላኽ ክኾኑ ዘይኮነ፡ እንታይ ደኣ ጥራዮም ሙኻኖም ጥራይ ፈለጡ። እዚ
ፍልጠት’ዚ ግና ካብ ትእዛዝ ኣምላኽ ወጻኢ ዝፈለጥዎ ፍልጠት ስለ ዝነበረ
ጎዲእዎም።

- 32 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ባስሊዮስ ዓቢ

“ስለምንታይ ዲያብሎስ ኣንጻርና ይቃለሰና፧ እቲ ማዕከን ኩሉ ክፍኣት


ዝኾነ፡ ንሕማም ቅንኢ ከም ባህርያቱ ዝሓዞ ነቲ ናትና ባህሪ ኣቕኒእዎ።
ህይወትና ካብ ስቓይ ነጻ ኮይኑ ኣብ ገነት ክነብር ኣይተጻወሮን። ብጉርሕን
ሓሶትን ምሉእ ብምሉእ ንወዲ-ሰብ ኣታሊልዎ። ነቲ ከም ምስሊ ናይ
እግዚኣብሔር ናይ ሙዃን ድልየት ወዲ-ሰብ ተጠቂሙ ኣታሊልዎ። ነታ
ኦም በለስ ብምርኣይ፡ ንዕኣ ብምብላዕ ከም ኣምላኽ ከም ዝኸዉን መሓለሉ
“ካብኣ ምስ ትበልዑ” ይብል ንሱ “ ከም ኣምላኽ ክትኮኑ፡ ሕማቕን ጽቡቕን
ክትፈልጡ ኢኹም።” (ዘፍ 3:5) በዚ ምኽንያት፡ ከም ጸላኢ መልክዕ
ኣይሓዞን ነይሩ፣ እንተ ኾነ ብቅንኢን ብጽልኢን ኣንጻርና ጠጠዉ ኢሉ
ነይሩ። ካብ መንጎ መላእኽቲ ነቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ዉድቀት እንዳ ረኣየ፡ ነቲ
ምድራዊ ኣብ መንጎ መላእኽቲ ብመዓርግ ዓብዩ ክርእዮ ምጻር ስኢንዎ።” 26

26
On human condition 3,8 p 76

- 33 -
ወዲ ሰብ

፰- ዉድቀት ኣዳም
ኣዳም ሄዋንን ካብ እታ ኦም ዝበልዑላ ግዜ ጀሚሮም፡ ነቲ
እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ዝነገሮም ዉጽኢት ዘይምእዛዝን መቕጻዕትን ኣብ
ልዕሊኦም ወረደ። ብሰንኪ ዘይምእዛዞም ከኣ ሞቱ። “ከመይ መሬት ኢኻ፡
ናብ መሬት ከኣ ክትምለስ ኢኻ።” (ዘፍ 3:19) ኣዳም ክመዉት ከሎ ዕድሚኡ
ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ።(ዘፍ 5:5)

ቅዱስ ኣትናቴዎስ ከምዚ ይብል “እግዚኣብሔር ንሰብ መንፈስ ሂቡ


ፈጢርዎ። ድልየቱ ከኣ ብዘይ ርኽሰት ክነብር’ዩ ነይሩ። ወዲ-ሰብ ግና ብናቱ
ድልየት ካብ ሓሳባት እግዚኣብሔር ናብ ሰይጣናዊ ሓሳባት ዘምበለ። ኣብ
ትሕቲ ሕጊ ሞት ተቆረነ። ኣብ ክንዲ ኣብ’ቲ እግዚኣብሔር ዝፈጠሮም ባህሪ
ዝነበሩ። ብኩልንትነኦም እንዳ ረኸሱ ከዱ። ሞት ከኣ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽራ
ኣእተወቶም። ምጥሓስ ሕጊ ኣንጻር ባህርያቶም ከም ዝኸዱ ገበረቶም።
ከምቲ ካብ መጀመርያ ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዝመጹ፡ ሕጂ ግና ናብቲ
ናይ መጀመርያ ዘይምንባር ብርኽሰት ኣቢሎም ተመለሱ። ፍቕርን ህላዌ
ሎጎስን (እግዚኣብሔር ወልድ) ግና ናብ ምንባር ጸዊዕዎም። ምእዛዝ
እግዚኣብሔር ምስ ኣጥፍእዎ ግና ምስ እግዚኣብሔር ምንባር ኣይከኣሉን።
ምኽንያቱ ሰይጣን ጸላኢ ሠናያት ከይፈለጥዎ ከለዉ ፡እግዚኣብሔር ጥራይ’ዩ
በይኑ ኣብ ህይወቶም ዝነብር ዝነበረ።” 27

ወዲ-ሰብ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ነጻ-ምርጫን ኣእምሮን ብጌጋ ተጠቂሙ


ሓጢኣት ምስ ሰርሔ ሞትን ዉድቀትን ካብ ንጽህና፣ ቅድስናን፣ ጽባቐ፣
ስልጣን፣ ኩሉ እቲ ከም መልክዕን እግዚኣብሔር ኮይኖም ዝተፈጥርሉ ባህሪ
ከም ዝወደቑ ኮኑ። ኣምላኽ ንወዲ-ሰብ ካብ ፈለማ ሠናይን ቅዱስን ገይሩ
ፈጢርዎ፡ ወዲ-ሰብ ግና ናቱ ምርጫ ወሰደ። ብቅንኣት ሰይጣን ምስ
ተፈተነ፡ ካብ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ወጸ። “እግዚኣብሔር ንሰብ ዘይመዉት
ገይሩ’ዩ ፈጢርዎ። ሞት ግና ብቅንኣት ሰይጣን’ያ ናብ ዓለም ዝኣተወት።
እቶም ዝሞቱ ከኣ እቶም ናቱ ዘበሉ ጥራሕ’ዮም።” (ጥበብ ሰሎሞን 2:23-24)

27
On the incarnation 1,4

- 34 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ባስልዮስ ብዛዕባ’ዚ “ኣዳም ኣብ በሪኽ
ኣዕሚቑ ይዛረብ።
ዝተቐመጠሉ ግዜ ነይሩ። ኣብ ቦታ ዘይኮነ ብነጻ ድልየት’ዩ። እዚ ዓይነት
ህይወት ምስ ተዋህቦ ናብ ገነት ኣቢሉ ይጥምት ነይሩ። በቲ ዝጥምቶ ዝነበረ
ከኣ ኣዝዩ ሕጉስ ነይሩ። ነቲ ሓጎስን ዘለኣለማዊ ህይወትን ዝሃቦ፡ ኣብ
ማእከል ገነት ከም ዝሕጎስ ዝገበሮ። ከም መላእኽቲ ስልጣን ዝሃቦ፡ ህይወቱ
ከም ናይ ሊቀ-መላእኽቲ ዝገበሮ ንኣምላኻዊ ቃል ክሰምዕ ዝፈቐደሉ ፈጣሪኡ
ኣዝዩ የፍቅሮ ነይሩ። ነዚ ኩሉ ነገራት ብኣምላኽ ምስ ተሓዝኣሉ፡ ነቲ ኩሉ
ዝተዋህቦ ጸጋ የስተማቕሮ ነይሩ። ብኩሉ ነገር ከኣ ምሉእ ነይሩ። በዚ
ምዕጋብ ምስ ስኣነ ግና፡ ካብቲ ንመንፈሳዊ ጽባቐ ዝማርኽ ትርኢት ንላዕሊ
ነቲ ንስጋዊ ዓይኒ ዝማርኽ መሪጹ። ካብ መንፈሳዊ ሓጎስ ንላዕሊ ነቲ ንኸብዲ
ዝዕንግል ነገር ኣብሊጹ ርእዩ። ብኡ ንብኡ ከኣ ካብ ገነት ተሶጊጉ። ካብቲ
ቅዱስ ህይወት ተባሪሩ። ብስእነት ዘይኮነ ብሰንኪ ስስዔ ኣብ ኣበሳ ወዲቑ።
ብሰንኪ እቲ ድኹም ነጻ ድልየት፡ ሓጢኣት ገይሩ። በቲ ሓጢኣት ከኣ
ሞይቱ “ዓስቢ ሓጢኣት ሞት’ዩ” (ሮሜ 6:2) ክሳብ ክንድኡ ካብ ህይወት
ረሓቐ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ናብ ሞት ቀረበ። ኣምላኽ ህይወት’ዩ፡ ህይወት
ምስኣን ከኣ ሞት’ዩ። ብመሰረት እቲ ጽሑፍ “እንሆ እቶም ካባኻ ዝርሕቁ
ኪጠፍኡ ኢዮም፡ ነቶም ካባኻ ዝዓልዉ ዘበሉ ከተጽንቶም ኢኻ።”(መዝ
73:27) ስለዚ ኣዳም ካብ ኣምላኽ ብምርሓቕ ንገዛእ ርእሱ ሞት ኣዳለወ።” 28

ስለዚ ኣዳም ወዲቑ ክንብል ከለና፡ መጀመርያ ሓጢኣት ኣብ ባህሪ ደቂ


ሰባት ብዘይ ምእዛዝ ኣቢሉ ኣተወ። ኣዳም ካብቲ ዘስተማቕሮ ዝነበረ ጣዕሚ
ናይ ገነት ተሶገ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ዝተፈጠረሉ መልክዕ እግዚኣብሔር
ተዳኸመ። ካብ’ቲ ባህርያዊ ተፈጥርኦም ናብ ዘይባህርያቶም ተሰጋገሩ። ኩሉ
እቲ መንፈሳዊ ጽባቔኦም ጠፍኤ። ኣብ ክንዲ ገጽ እግዚኣብሔር ዝናፍቑ፡
ናብ መከራን ስቓይን ወደቑ። ኣካላቶም ከኣ ነቲ ዝነበሮም ኣምላኻዊ ብርሃን
ሓዲጉ ናብ ሓጢኣተኛ ስጋ ተለወጠ። ድሕሪ ዉድቀቶም ደቂ ሰባት
ብመንፈስ ናብ ጸማማት፣ ዕዉራን፣ መወቲ፣ ብሓጢኣት ወደቕቲ፣ ዕላማ
ዘይብሎምን ተቐየሩ። ብስጋኦም ከኣ ሕማም፣ ስቓይ፣ ሽግር ናብ ህይወት
ደቂ ሰባት ኣተወ።

28
On the human condition 3,7. P 74-75

- 35 -
ወዲ ሰብ

፱- ሳዕቤን ብሰንኪ ኣበሳ ኣዳም


ኣዳም ሓጢኣት ምስ ሰርሔ፡ ጥራዩ ሙዃኑ ፈሊጡ ካብ ገጽ
እግዚኣብሔር ተሓብኤ። ካብ ገጽ እግዚኣብሔር ክሃድም ከም ዘይክእል
ይፈልጥ ነይሩ’ዩ። እንተ ኾነ ኣብቲ ግዜ እቲ ኩሉ ነገር ድንግርግር ስለ
ዝበሎ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ክቐዉምን ክዛራረብን ሞራልን ድፍረትን
ስኢኑ። ንነፍሱ’ዉን ምስ እግዚኣብሔር ክትዛረብ ዘይትበቅዕ ገይሩ ሓሲብዋ።
“መጀመርያ ጥበብ ፍርሃት እግዚኣብሔር’ዩ።” (ምሳ 1፡7/ 9፡10) ከም ዝበሎ
እቲ ጥበበኛ። እቲ ኩነታት ናብ ንስሓ ኣቢሉ መሪሕዎ። ኣዳም ንስሕኡ
ብተግባር ከይዱ ኢዩ ገሊጹ። ንሱ ከይዱ መጀመርያ ብቆጽሊ በለስ ገይሩ’ዩ
ሸፊንዎ። ካልኦት ብዙሓት ኣግራብ ነይሮም እዮም፡ እንተ ኾነ ንኣካላቱ
ክሽፍን ዝኽእል ምስ ዘይተኣዛዝነቱ ዝሰማማዕ ቆጽሊ ግና ቆጽሊ በለስ
ጥራይ’ዩ።

ኣበሳ ኣዳም ሞት ጥራይ ኣይኮነን ኣምጺኡ፡ እንታይ ደኣ መርገም፣ ሓዘን፣


ስቓይ፣ ጥሜት፣ ጽምኢ፣ ሕማም፣ ሓደጋ፣ መከራ፣ ጻዕሪ፣ ብኽያት፣
ርሃጽ..ወ.ዘ.ተ ናብ ባህሪ ደቂ ሰባት መጺኡ። ምድሪ ብሰንኪ ኣዳም
ተረግመት፡ ንኣዳም ድማ እሾኽን ተኾርባን ጥራይ ከቶብቅለሉ ጀመረት።
ኣብዚ ንኣዳም ብዉልቁ እግዚኣብሔር ክረግሞ ኣይንርኢን ኢና እንተ ኾነ
ብሰንኪ ኣዳም ምድሪ ተረጊማ። ቀጺለን ከኣ ሄዋንን ተመንን ተረጊመን።

ኣብ’ዚ ኩሉ ብሰንኪ ኣዳም ምድሪ ተረገመት። ሓጢኣት ናብ ባህሪ ደቂ-ሰባት


ኣተወ። ዉላድ ኣዳም ዝኾነት ቃኤል ቀጺሉ ሓጢኣት ገበረ። ቀጺሎም ዘርኢ
ናይ ቃኤል ንኣምላኽ ረስዕዎ። ብዛዕባ ናይ ምድራዊ ሓሳባቶም ጥራይ
ገበሩ። ቃኤል ብገዛእ ርእሱ ከተማ ሃነጸ።(ዘፍ 4፡17-22)

- 36 -
ወዲ ሰብ

፲- ትምህርቲ ጥንተ-ኣብሶ (Original Sin)


ናይ ምዕራብ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቲ ኣዳምን ሄዋንን መጀመርያ
ዝገበርዎ ሓጢኣት “ጥንተ ኣብሶ” (Original Sin) እንዳ በሉ ይጽዉዕዎ። እዚ
ትምህርቲ’ዚ ብመጀመርያ ብሊዮን ኢራንዮስ (Lyon Irenaeus) ኣንጻር
ትምህርቲ ኖስቲካዉያን (Gnosticism) ንምቁዋም ዘልዓሎ ትምህርቲ’ዩ። ካብዚ
ቀጺሉ ኣጎስቲኖስ ዘሂጶዉ ዝተባህለ፡ ብዛዕባ እዚ ትምህርቲ’ዉን ጽሒፉ’ዩ።
ብዙሕ ግዜ ናይ ምዕራብ ኣብያተ-ክርስትያናት ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ ካብ
ትምህርታት ኣጎስቲኖስ ምርኩስ ገይረን እየን ዝዛረባ። ብመሰረት ኣጎስቲኖስ
ዘሂጶዉ “ኣዳም ክብድል ከሎ፡ ኩሉ ዘርኢ ኣዳም ምስኡ ነበረ።” ይብል።

ኣጎስቲኖስ ዘሂጶዉ

“ከምቲ ኣዳም ዝበደሎ፡ ብገዛእ ፍቓዶም ሓጢኣት ዘይገበሩ ዘበሉ ግና


ጥንተ-ኣብሶ ካብኡ ተቐበሉ……..ምኽንያቱ ኣብኡ (ኣብ ኣዳም) እቲ
መቕጻዕቲ ናይ መጻኢ ወለድኡ ቆይሙ ነበረ።” 29

ኣብ ፈለማ ትምህርቲ ናይ ኣጎስቲኖስ ንሓደ ፐላግዮስ ዝተባህለ እንግሊዛዊ


መነኮስ ንምቁዋም ዝቐነዐ’ዩ። ፐላግዮስ ኣብ ትምህርቱ “ጸጋ ኣምላኽ፡ ፍቓድ
እግዚኣብሔር ክንገብር ዋላ ሓንቲ ዝሕግዘና የብሉን” ዝብል ትምህርቲ ስለ
ዘተኣታተወ’ዩ። ወይ እዉን ብካልእ ኣገላልጻ “ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር ጸጋ
ኣምላኽ ኣየድልየናን’ዩ።” ይብል። ከም እምነት ፐላግዮስ “ንሕና ንትእዛዝ
እግዚኣብሔር ክንእዘዝ ሓላፍነት እንተ ደኣ ኣለና ኾይኑ፡ ነዚ ክንገብር ከኣ
ብዘይ ሓገዝ እግዚኣብሔር ብገዛእ ርእስና ክንገብሮ ኣለና” ይብል። በዚ
ምኽንያት ነቲ ናይ ፈለማ ናይ ኣዳም ሓጢኣት(Ancesteral sin) ተቋዊምዎ።
ንትምህርቱ ከኣ ብከምዚ ገይሩ ይምጉት “መቕጻዕቲ ኣዳም ናብ ወሉዱ
ኣይሓለፈን። ናይ ኣዳም ሓጢኣት ንገዛእ ርእሱ ጥራይ’ዩ ጎዲኡ። እቶም
ካብኡ ቀጺሎም ዝዉለዱ ህጻናት ከምቲ ኣዳም ቅድሚ ሓጢኣት ምስርሑ
ዝነበሮ ባህሪ ሒዞም ኢዮም ዝዉለዱ” ይብል።

29
On the Merits I, 13

- 37 -
ወዲ ሰብ
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ንትምህርቲ ፐላግዮስ ኣይትቕበሎን’ያ።
ከም መናፍቕ’ያ ከኣ ትፈልጦ። ብኣንጻር ትምህርቲ ፐላግዮስ ከኣ ኣጎስቲኖስ
ዝተፈለየ ርድኢት ሒዙ መጺኡ። ከምዚ ከኣ ይብል “ወዲ ሰብ ብፍጹም
ሓጢኣተኛ፡ ጽቡቕ ነገር ክገብር ክእለት ዘይብሉ’ዩ” ይብል። ልክዕ ከም ናይ
ፐላግዮስ ናይ ንትምህርቲ ኣጎስቲኖስ እዉን ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ
ተቋወሞ’ያ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት ትምህርታት ኣጎስቲኖስ ከም ድሕነት
ብእምነት ጥራይ፡ መንጽሔ-እሳት (purgatory): ኣምላኽ ጨካን ፈራዲ’ዩ
ዝብልን ካልኦት ብዙሓት ትምህርታትን ብናይ ምብራቕ ኣብያተ
ክርስትያናት ተቐባልነት የብሉን።

ካብ’ዚ ኣርእስቲ ከይወጻእና፡ እዚ ምጉት ናይ ፐላግዮስን ኣጎስቲኖስን ናብ


ናይ ምብራቕ ኣብያተ-ክርስትያናት ኣይበጽሔን። ስለዚ ከኣ’ዩ ናይ ቅዱስ
ዮሃንስ ኣፈወርቂ ርድኢት በዞም ምጉታት ናይ ምዕራብ ቤተክርስትያን
ዘይተበረዘ። ከም ርድኢት ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ኩሉ ወዲ-ሰብ
ብመልክዕ እግዚኣብሔር’ዩ ተፈጢሩ። እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ
ሓጢኣት (Ancesteral sin) ናብ ኣዳምን ሄዋንን ጥራይ ዘይኮነ ናብ ኩሉ ወለዶ
ብልሽዉናን ሞትን (Death) ኣምጺኡ ይብል። “ከመይ ኢሉ ግና ሞትን
ኣትዩን ተገሊጹን፧ “ብሓጢኣት ሓደ ሰብ” እንታይ ማለት’ዩ “ኩሎም
ሓጢኦም”። እዚ ንሱ ሓንሳእ ምስ ወደቐ፡ ዋላ እቶም ከም ናቱ ካብቲ ኦም
በለስ ዘይበልዑ ኩላቶም መወቲ (mortal) ኮኑ።” 30 እዚ ናብ ምስሊ
እግዚኣብሔር ምዕባይ ንምኽኣል ኣዳኺምዎ። እንተ ኾነ ግና ነቲ መልክዕ
እግዚኣብሄር ኣየጥፍኦን፡ ንሱ ከኣ ነጻ ምርጫ’ዩ” ይብል ቅዱስ ዮሃንስ
ኣፈወርቅ።

ብዙሓት ሊቃዉንቲ ቤተክርስትያን ከም ዝሰማምዕሉ ንኣጎስቲኖስ ናብ


ከምዚ ዝበለ ጌጋ ዝመርሖ ምኽንያት ሓደ፡ ቋንቋ ጽርኢ (ግሪኽ) ኣድቂቕካ
ካብ ዘይምፍላጥ ዝነቐለ’ዩ ይብሉ። ኣጎስቲኖስ ሓደ ካብ ናይ ምዕራብ
ቤተክርስትያን ዝነበሩ ሊቃዉንቲ ክኸዉን ከሎ፡ ዝመልኮ ዝነበረ ቋንቋ ከኣ
ላቲን ኢዩ። ኩሉ ጽሑፋቱ እዉን ብላቲን’ዩ ነይሩ። ክሳብ 14 ክ.ዘመን እዉን

30
Homily 10 on Romans

- 38 -
ወዲ ሰብ
ጽሑፋቱ ናብ ቋንቋ ጽርኢ (ግሪኽ) ኣይተተርጎሙን። ስለዚ ብንጹር ናይ
ቋንቋ ጽርኢ ኣፍልጦ ሕጽረት ነይርዎ። ጽሑፋቱ እዉን ኣብ ናይ ምብራቕ
ኣብያተ-ክርስትያናት ፍጹም ጽልዋ ኣይነበሮምን። ኣንጻር ፐላግዮስ
ንምክርኻር ዘምጽኦ መርትዖ ሓደ፡ ኣብ (ሮሜ 5:12) ዘሎ ቃል ሃዋርያ
ጳዉሎስ’ዩ። ነዚ ቃል ካብ ጽርኢ ናብ ላቲን ክትርጉሞ ከሎ ብጌጋ ተርጊምዎ
ይብሉ ብዙሓት ሊቃዉንቲ። እዚ ከኣ ካብ ቋንቋ ጽርኢ ኣድቂቕካ ካብ
ዘይምፍላጥ ዝመጸ ሽግር’ዩ። እቲ ጥቕሲ “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ
ዓለም ኣተወ።(eph hop antes hemarton)”(ሮሜ 5:12) ዝብል በኹሪ ጽሑፍ
ጽርኢ፡ ናብ ላቲን ክቕየር ከሎ ግና “ በቲ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም
ኣተወ። (quo omnes peccaerunt)” ዝብል ትርጉም ይህቦ ኣጎስቲኖስ።

ኣብ መንጎ “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ”ን “በቲ ሓደ ሰብኣይ”ን ዝብል ቃላት ኣዝዩ


ገፊሕ ፍልልይ ኣሎ። ብሰሪ እንተ ደኣ ኢልና፡ ብምኽንያት እቲ ኣዳም
ዝገበሮ ሓጢኣት፡ ባህሪ ደቂ-ሰባት ሓጢኣተኛ ከም ዝኸዉን ኮይኑ ማለት’ዩ።
እዚ ማለት ከኣ ባህሪኦም ተበላሽዩ። ምኽንያቱ ኩሎም ካብ ኣዳም ዝተወልዱ
ድሕሪ ምሕጥኡ ስለ ዝተወልዱ፡ ዓስቢ ሓጢኣት ወሪሶም ተወልዱ። በዚ ኸኣ
ሕጊ ሓጢኣትን ትምኒትን ናብ ደቂ ሰባት ኣትዩ ማለት’ዩ። “በቲ ሓደ
ሰብኣይ (in whom)” ዝብል ቃል እንተ ደኣ ተጠቂምና ግና፡ ኣዳም ሓጢኣት
ክገብር ከሎ ኩልና ኣብቲ ንሱ ዝገበሮ ኣበሳ ብእኡ ኣቢልና ተሳቲፍና ኔርና
ማለት’ዩ። ስለዚ ናይ ዝገበሮ ኣበሳ ማዕሪኡ ሓላፍነት ኣለና ማለት’ዩ። ስለዚ
ካብ’ዚ ተበጊሱ’ዩ ኣጎስቲኖስ ነዚ ሕጂ ናይ ሮማ ካቶሊክ ዶግማ ኮይኑ ዘሎ
ትምህርቲ “ጥንተ ኣብሶ” ዝጀመረ። ኣብዚ ንፐላግዮስ ክቃወም ክብል ንባዕሉ
ንገዛእ ርእሱ ኣብ ካልእ ናይ ዉድቀት ትምህርቲ ኣትዩ።

ናይ ኣጎስቲኖስ ትምህርቲ እዚ ካብ ኮነ፡ ናይ ቤተክርስትያን መልሲ ኣብ’ዚ


ኣርእስቲ እዚ እንታይ ከም ዝብል ኢና ክንርኢ ዘለና። ካብቶም ቀንዲ
ኣዕኑድ ቤተክርስትያን ዝኾኑ ኣቦታት ቤተክርስትያንን መጽሓፍ ቕዱስን
ብሕጽር ዝበለ ክንርዳእ ክንፍትን ኢና።

- 39 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ኣትናቴዎስ

“ንሕና ብሰሪ ኣዳም ዝሰርሖ ሓጢኣት በደለኛታት ኣይኮናን፡ እንታይ ደኣ


ካብኡ ዝተበላሸወ ባህሪ ወሪስና፡ ምስ ናይ’ዚ ግና ነጻ ምርጫና ኣይጠፍኤን።”

ቅዱስ ቄርሎስ

“ከመይ ኢልና ንሕና ኣብቲ ግዜ ከይተወለድና ከለና፡ ኩላትና ምስኡ( ምስ


ኣዳም) ንኵነን። ኣምላኽ እዉን ከምዚ ይብል “ኣቦታት ብሓጢኣት ደቆም
ኣይሙቱ፡ ደቂ ከኣ ብሓጢኣት ኣቦታት ኣይሙቱ፡ ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ
ደኣ ይሙት።” (ዘዳ 24:16)” 31

ስለዚ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ በደል እንታይ’ዩ ንዓና፧ ወይ እዉን


እንታይ ጽልዋ ኣለዎ ኣባና፧ እንተ ደኣ ኢልና ሓቲትና፡ ሓደ መልሲ ኢና
ካብ ሊቃዉንት ቤተክርስትያን ንረክብ።

ቅዱስ ቄርሎስ

“ኣዳም ድሕሪ ምዉዳቑ፡ ብብልሽዉና ተማረኸ። ዘይንጹህ ትምኒታት ነቲ


ስጋዊ ባህሪኡ ወረሮ። ብተመሳሳሊ ግዜ እቲ ሰይጣናዊ(ክፉእ) ሕጊ ናይ
ሰብነትና ተወልደ። ብምኽንያት ዘይተኣዛዝነት ሓደ ሰብኣይ ንሱ ከኣ ኣዳም
ባህርና ንሕማም ሓጢኣት ተኾናተረ። ስለዚ ብዙሓት ሓጢኣተኛታት ኮኑ።
እዚ ምስ ኣዳም ኮይኖም ሓጢኣት ስለ ዝገበሩ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ
ግዜ ኣይነበሩን፡ እንታይ ደኣ ብምኽንያት ሓደ ዓይነት ባህሪ ከም ኣዳም
ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሓጢኣት ዝወደቐ ስለ ዘለዎም’ዩ። ስለዚ ከም ሰብኣዊ ባህሪ
ብምኽንያት ዘይምእዛዝ፡ ብድኻም ኣዳም ተበላሸዉ፡ ክፉእ ትምኒት ከኣ
ተቖጻጸሮም። እንተ ኾነ ግን፡ ጸኒሑ እዚ ብተመሳሳሊ ባህሪ በቲ ሓጢኣት
ዘይፈጸመ ንእግዚኣብሔር ኣቦ እዙዝ ዝኾነ ክርስቶስ ነጻ ወጸ።” 32

31
Commentary on Romans PG 74, 788-789
32
St. Cyril of Alexandria, explanation of the letter to the Romans, migne, PG 74, col
788-789 in Romans by Gerald Lewis Bray, Thomas C. Oden pp 142-143

- 40 -
ወዲ ሰብ
ካብ ናይ ቅዱስ ቄርሎስ ጽሑፍ ንርድኦ ነገር እንተ ደኣ ኣልዩ። ብሰንኪ
እቲ ቀዳማይ ፍጥረት ኣዳም ባህሪ ደቂ-ሰባት ከም ዝተበላሸወ’ዩ። እቶም
ካብኡ ቀጺሎም ዝመጹ ወለዶ ኣዳም ግና ነቲ ዝተበላሸወ ባህሪ ሒዞም ደኣ
መጹ እንበር፡ ሓጢኣተኛታት ኮይኖም ይዉለዱ ዝብል ትምህርቲ የብልናን።
ምኽንያቱ ሓጢኣት ብናትካ ምርጫን ስራሕን ተምጽኦ ደኣ እንበር ከም
ትዕድልቲ ክትዉልድ ከለኻ ዝወሃበካ ኣይኮነን። ሃዋርያ ጳዉሎስ፡ ብዛዕባ ነቲ
ኣብ ዉሽጡ ኮይኑ ናብ ሓጢኣት ዝመርሖ ባህሪ ክዛረብ ከምዚ ይብል።
“ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ! ካብ’ዚ ናብ ሞት ዚወስደኒ ዘሎ ሰብነት’ሲ መን ኮን
ከድሕነኒ እዩ።” (ሮሜ 7:24) ደጊሙ ንስጋና ብኸምዚ ይገልጾ፣ “ነዚ ናይ
ዉርደት ሰብነትና።”(ፊል 3:21) ኣብ ርእዚ’ዚ ብዛዕባ መድሓኒና ክዛረብ
ብተወሳኺ ብኸምዚ ይገልጾ። “ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም
መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ኮነኖ።”(ሮሜ 8:3)

እዚ ኩሉ ልዒልና ዝረኣናዮ ጥቕስታት ነቲ ዝተበላሸወ ባህሪ ሒዝና ከም


ዝመጻና ሃዋርያ ጳዉሎስ የረድኣና። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ንስጋና “ናይ
ሓጢኣት ሰብነት” “ናይ ሞት ሰብነት” እንዳ በለ’ዉን ይጽዉዖ እዩ።( ሮሜ
6:6 ፊልጵ 3:21) ብተወሳኺ ዘማራይ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ዝተበላሸወ ባህሪ
ሰብነት ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል። “ከም ምዉት ኣብ መሬት ደርበኻኒ።”
(መዝ 22:15) ብተወሳኺ “ተደቑስና ናብ ምድሪ ተደርቤና፡ ተሳዒርና ኣብ
ሓመድ በጥ በልና።”(መዝ 44:25) ነቢዩ ኤርምያስ ብመንፈስ ኣምላኽ ብዛዕባ
ተመሳሳሊ ምስጢር የረድእ። “ብባህሪኦም ብምኽንያት ሰብነት ኩሎም ደቂ
ሰባት ኣብ ምድሪ እሱራት’ዮም። እግዚኣብሔር እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ
መንፈሶም ከም ዝድቅስ ይፈልጥ’ዩ። እቲ ንሱ ንሰብ ዝሃቦ መሰል ኪገሃስ ከሎ
ይፈልጥ’ዩ። ኣብ ባይቶ ፍትሒ ኪጠፍእ ከሎ እዉን ይፈልጥ እዩ።(ሰቆቃወ
ኤር 3:34-36)

እቲ ካልኣይ ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸና መቕጻዕቲ ሞት እዩ። “ናብታ


እተፈጠርካላ ምድሪ ክሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ።
መሬት ኢኻ እሞ፡ ናብ መሬት ድማ ትምለስ።” (ዘፍ 3:19) ናይ ኣዳም

- 41 -
ወዲ ሰብ
መቕጻዕቲ ወሪስና ክንብል ከለና ነዚ’ዩ ዘመልክት። ስለዚ እቶም ካብ ኣዳም
ቀጺልና ዝመጻና፡ ነዚ መቕጻዕቲ ሒዝና ንነብር። ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝመጸ
ዘበለ ብጀካ ክርስቶስ ካብ’ዚ ሞት ነጻ ዝኾነ የልቦን። ሞት ክርስቶስ ግና
ብሰንኪ እቲ ካብ መቕጻዕቲ ኣዳም ዝወረሶ ሞት ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ኣዳም
ዝነበረ ሞት ክቐትል’ዩ ሞይቱ። “ነዚ ህዝቢ እዚ ካብ ሲኦል ኮነ ካብ ሓይሊ
ሞት ከድሕኖም እየ። ኦ ሞት መቕዘፍትኻ ኣበይ ኣሎ፧ ንስኻ’ኸ ሲኦል፡
ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ፧ (ሆሴእ 13:14) ክርስቶስ እዉን ከምዚ ይብል “ወዲ-ሰብ
ኬገልግልን ህይወቱ በጃ ብዙሓት ኪህብን እንበር ኬገልግልዎ ኣይመጸን።”
(ማቴ 20:28 ማር 10:45) ሃዋርያ ጳዉሎስ እዉን ከምዚ ይብል “ኣምላኽ ሓደ
እዩ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ ሓደ እዩ፡ ንሱ
ኸኣ እቲ ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ ኢየሱስ እዩ። ንሱ ኣብ ክንዲ ኹሉ ሰብ ገዛእ
ርእሱ በጃ ኣሕሊፉ ሃበ፡ እዚ ኸኣ ጊዚኡ ምስ በጽሔ፡ ኣምላኽ ኩሉ ኪድሕን
ከም ዝድሊ ምስክር እዩ።” (1ይ ጢሞ 4:15)

ክርስቶስ “ከመይ ከምዚ ከማና ብኹሉ ተፈተነ፡ ግናኸ ሓጢኣት ኣይገበረን፡


ስለዚ ብድኻምና ክድንግለጽልና ዘይክእል ሊቀ ካህናት ኣይኮነን።”(ዕብራ
4:15) ስለዚ ከምዚ ልዒልና ዝረኣናዮ ሞት ናይ ክርስቶስ ንሓጢኣት
ንምኹናን ደኣ እንበር ብምኽንያት ናይ ገዛእ ርእሱ ኣይነበረን። “ሕጊ ብስጋ
ስለ ዝደኸመ ኪገብሮ ዘይከኣለ፡ ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን
ከም መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ኾነኖ።” (ሮሜ 8:3)

- 42 -
ወዲ ሰብ

፲፩- ተሰጋዉነት ክርስቶስ


ሀ) ዕላማ ተሰጋዉነት

ኣብ ታሪኽ ናይ ደቂ ሰባት ተሰጋዉነት ክርስቶስ ሓደ ወሳኒ ምዕራፍ


ኢዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ብስጋ እንተ ዘይዉለድ ነይሩ፡ ድሕነት
ኣይምሃለወን ነይሩ። ንሕና እዉን ክርስትያን ኣይምኾናን ነይርና።
ምኽንያቱ ክርስትና ማለት ብተበጃዉነት ክርስቶስ ኣሚንካ ብእኡ ከኣ
ድሕነት ምርካብ ኢዩ። ፕሮክሉስ ዝተባህለ ሓደ ካብ ናይ ቁስጥንጥንያ
ኣቦታት ዓርኪ ዮሃንስ ኣፈወርቅ ዝነበረ፡ ነቲ ክርስቶስ ካብ ድንግል እንተ
ዘይዉለድ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከምዚ ይብል። “ምልኣት ዘመን ምስ መጸ
ግና፡ ነቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን
ውልድነት ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ
ሕጊውን ዝዀነ ወዱ ለኣኾ። ውሉድ ስለ ዝዀንኩም ከኣ፡ ኣምላኽ ነቲ፡
ኣባ፡ ኣቦ፡ ኢሉ ዚጽውዕ መንፈስ ወዱ ናብ ልብና ለኣኾ። ደጊም ብድሕርዚ
ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ
ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።”( ገላ 4፡4-7) ኣምላኽ'ዩ፡ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮነ ሰብ
እዉን ኢዩ፡ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ካብ ድንግል ዝተወልደ እዉን ኢዩ። ብልደቱ
ኣብቲ መንገዲ ሓጢኣት ጥራይ ዝነበረ መንገዲ ድሕነት ሰርዔ። ከም ሓቂ፡
ኣብቲ ተመን ዘይምእዝዙነት ደቂ ሰባት ተጠቂሙ መርዚ ዘሪእሉ ዝነበረ
ቦታ፡ እቲ ሎጎስ ዝኮነ ስግዉ ቃል ብምእዙዝነት ኣትዩ ነቲ ህያዉ ቤተ
መቕደስ ሃነጸ። ካብ ማህጸን ሰብይቲ ቀጺሉ እቲ ቀንዲ ዉሉድ ሓጢኣት
ዝኮነ ቃኤል ተወልደ፡ ካብ ማህጸን ድንግል ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ግና እቲ
ብርሃን ዝኮነ ንደቂ ሰባት ዘድሓነ ክርስቶስ መጸ። ካብ ድንግል ተወሊዱ
ምባል ኣየሕፍረና። ምኽንያቱ ንሱ ንዓና ናይ ድሕነትና መጀመርያ ኢዩ
ነይሩ። ክርስቶስ እንተ ዘይዉለድ ነይሩ፡ ኣይምሞተን እዉን። ብሞቱ ገይሩ
ድማ ነቲ ናይ ጸልማት ሓይሊ ዝኮነ ድያብሎስ ኣይምደምሰሶን ነይሩ።
“እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ
ኣየልዓሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ
ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡
ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዅላቶም
- 43 -
ወዲ ሰብ
ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም።”(ዕብራ 2፡14-16)”
ይብል።

ብዘይ ተበጃዉነት ድሕነት የለን። ስለዚ ክርስቶስ ሰብ እንተ ዘይኮይኑ


ንሕና ከመይ ኢልና ደኣ ካብቲ ናይ ሞት ቅጽዓት ናይ ኣዳም ብዘይ ሓቀኛ
ፍርዲ እግዚኣብሔር ክንድሕን ንኽእል፧ መን’ዩኸ ብጀካ እቲ ኣምላኽ ዝኾነ
ክርስቶስ ኣብ ክንዲ ኣዳም ክመዉት ዝኽእል፧ ኣምላኽ’ከ ከመይ ኢሉ’ዩ
ከይተሰገወ ክመዉት ይኽእል፧ ብርግጽ ነዚ ኩሉ ክገብር ዝኽእል ካብ
ፍጡራት ዋላ ሓደ የለን። ኣምላኽ ግና ካብቲ ስጋዊ ባህርና ብምልባስ ምስ
ስጋና ብምዉህሃድ ናብቲ ኣምላኻዊ ናብራ ክነብር መንገዲ ከፈተልና።

ቅዱስ ኢራንዮስ

“መታን ሰብ ወዲ ኣምላኽ ክኸዉን፣ ወዲ ኣምላኽ ሰብ ኮነ።”33

ብዙሓት ሰባት ኣብ’ዚ ዘለናዮ ግዜ ከምዚ ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ ኢዮም።


“ኣምላኽ ንምንታይ ሰብ ክኸዉን ኣድለየ፧ ኣብኡ ከሎ ነቲ ብሰንኪ
ዘይምእዛዝ ኣዳም ዝመጸ ሞት ሕድገት ዘይገብረሉ።” ኢሎም ክሓቱ
ይኽእሉ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ሓደ ሓቂ ኢና ንረክብ። “ካብታ
ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት
ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ።”(ዘፍ 2:17) ኣዳም፡
ኦም በለስ ካብ ዝበለዓሉ ግዜ ጀሚሩ ሞት ኣብ ባህሪ ደቂ ሰባት ኣተወ።
ንሞት ካብ ባህሪ ደቂ ሰባት ከዉጽእ ከኣ ኣምላኽ ምስ ባህሪ ደቂ ሰባት
ክወሃሃድ ግድነት ኮነ። ካብ ደቂ ሰባት ንሞት ክስዕር ክሳብ ዘይተረኽበ፡
ኣምላኽ ብሞቱ ንሞት ክቐትል ተደልየ። እዚ ማለት ከኣ ብምሕረቱ ነቲ
ወዲቑ ዝነበረ ባህሪ ክጽግን፡ ነቲ ጠፊኡ ዝነበረ ቅድስና ክመልስ’ዩ።
“ምእንታና ምእንቲ ሰብ ምእንቲ ምድሓና ካብ ሰማያት ዝወረደ። ብመንፈስ
ቅዱስ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ለቢሱ ሰብ ኮነ።” (ጸሎተ
ሃይማኖት)

33
St. Irenaeus, adver sus haereses, III,102

- 44 -
ወዲ ሰብ
ሃዋርያ ጳዉሎስ ከምዚ ይብል “ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም
ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት
ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን
ዝዀነ ወዱ ለኣኾ።” (ገላ 4:4) እቲ ቅድሚ ዘመናት ዝነበረ ንዓለም እዉን
ዝፈጠረ ቃል ምስ ደቂ ሰባት ተዋሃደ። “ቃል ስጋ ኮነ” (ዮሃ 1:1) እቲ
ዝተሰገወ ቃል ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ኮይኑ ተገልጸ። ኣገዳስነትን
ዕላማን ምህላዉ ወዲ-ሰብ ብተሰጋዉነት ኣቢሉ ይግለጽን ይበርህን። ካብ
ሰማያት ንወዲ-ሰብ ከድሕን ወረደ፡ ደቂ ሰባት ከኣ ንዘለኣለም ምስ
እግዚኣብሔር ተወሃሃዱ፡ እቲ ሓድሽ ዘመን ከኣ ተጀመረ። ስለዚ ኢና ከኣ
ንሕና ዓመተ-ምሕረት እንዳ በልና ንቖጽር። ብተሰጋዉነት ምግላጽ ናይ
ክርስቶስ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ኣብ ባህሪ ደቂ ሰባት ሓድሽ ምዕራፍ
ንምግላጽ ኢዩ ነይሩ።“እቲ ቀዳማይ ሰብ ካብ መሬት ስለ ዝተፈጥረ መሬታዊ
እዩ። እቲ ካልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ ኢዩ።”(1ይ ቆሮ 15:47)

ባህሪ ናይ ሰባት ብተሰጋዉነት ክርስቶስ፡ በቲ ኣዚዩ ካብ መጠን ንላዕሊ


ዝፈሰሰ ጸጋ ኣምላኽ ተቐቢኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሓደ ዓሚቕን ሓቀኛን ዉህደት
ምስ እግዚኣብሔር’ዩ ተፈጺሙ። እዚ ማለት ባህሪ ወዲ-ሰብ ናብቲ
ዘለኣለማዊ ዝኾነ ሕብረት ምስቲ ሰማያዊ ህይወት ልዕል ይብል። ኣብዚ
“እቲ ምስ ኣምላኽ ሕብረት ዘለዎ ንሱ ክድሕን’ዩ” 34 ይብል ቅዱስ ጎርጎርዮስ
ዘእንዚናዙ። ወዲ-ሰብ ምልኣት ባህሪ ዝረኸበ ብስጋዊ ምዉላድ ናይ ክርስቶስ
ጥራይ ኢዩ። እዚ መሰረታዊ ትምህርቲ ሰነ-መለኮት ናይቶም ቀዳሞት
ኣቦታት ቤተክርስትያን ከም በዓል ቅዱስ ኢራንዮስ፡ ቅዱስ ኣትናቴዎስ፡
ቅዱስ ቄርሎስ…. ወዘተ ኢዩ። ኩሉ ዶግማዊ ትምህርቲ ናይ ስነ-ክርስቶስ
በዚ መሰረታዊ ርድኢት ኢዩ ዝትርጎም። ምኽንያቱ ብተሰጋዉነት ታሪኽ
ወዲ-ሰብ ምሉእ ኮይኑ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ኣምላኽ ዘለኣለማዊ
ፍቓድ፡ ካብ መላእኽቲ ንዘመናት ተሰዊሩ ዝነበረ ምስጢር፡ ተፈጺሙ።
ምግላጽ ናይ ክርስቶስ፡ ምግላጽ ናይ ህይወት ኢዩ። ምኽንያቱ ክርስቶስ ቃል
ህይወት ኢዩ። “ብዛዕባ እቲ ካብ መጀመርያ ዝነበረ፡ ንሕና ዝሰማዕናዮ፡
በዕይንትና ዝረኣናዮ፡ ዝጠመትናዮ፡ በኣእዳዉና ዝረምሰስናዮ ቃል ህይወት

34
St. Gregory of Nazianzus, Epist, cl, ad, cledonium, MG. XXXVII C. 118-181

- 45 -
ወዲ ሰብ
ንነግረኩም ኣሎና። ህይወት ተገሊጻ ኢያ፡ ንሕና ከኣ ርኢናያ ኢና፡
ንምስክር እዉን ኣሎና” (1ይ ዮሃ 1:1-2)

ለ) ብድንግልና ልደት

ክርስቶስ ካብ ድንግል ከም ዝዉለድ ኣቐዲሙ ዝተነበየ ነቢዩ ኢሳይያስ


ኢዩ። “ስለዚ እግዚኣብሔር ባዕሉ ትእምርቲ ክህበኩም’ዩ። እንሆ ድንግል
ክትጠንስ፡ ወዲ ከኣ ክትወልድ ኢያ፡ ስሙ’ዉን ኣማኑኤል ኢላ ክትሰምዮ
ኢያ።”(ኢሳ 7:14) ብተመሳሳሊ ነቢዩ ህዝቅኤል ከምዚ ኢሉ ተነብዩ ነይሩ።
“እግዚኣብሔር ድማ “እዛ ኣፍደገ እዚኣ ዕጽዉቲ ትኹን። ኣይትከፈት፡
ሰብ’ዉን ብእኣ ኣይእቶ፡ ኣነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ እስራኤል ብእኣ ኣትየ
እየ እሞ፡ ብዕጽዉታ ትንበር።” (ህዝ 44:1-3)

እቲ ምልኣት ግዜ ምስ ኣኸለ፡ እቲ መልኣኽ ናብ ድንግል ማርያም መጺኡ


ብዛዕባ ምግላጽ እቲ ሓቐኛ መሲሕ ከምዚ እንዳ በለ ኣበሰራ። “ማርያም ኣብ
ቅድሚ ኣምላኽ ፀጋ ረኺብኺ ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ። እንሆ ክትጠንሲ፡
ወዲ እዉን ክትወልዲ ኢኺ፡ ስሙ ከኣ ኢየሱስ ክትሰምይዮ ኢኺ።” ንሳ
ድንግል ስለ ዝነበረት፡ ብድንግልናን ቅድስናን ንኽትነብር ህይወታ ዘወፈየት
ስለ ዝነበረት፡ ነቲ መልኣኽ ንሳ ድንግል ከላ እዚ ነገራት ከመይ ኢሉ
ይፍጸም ኢላ ምስ ሓተተቶ፡ ዝሃባ መልሲ እዚ’ዩ። “መንፈስ ቅዱስ ኣባኺ
ክወርድ ኢዩ፡ ሓይሊ ልዑል እዉን ኬጽልለኪ’ዩ። ስለዚ ኸኣ እቲ ኻባኪ
ዝዉለድ ቅዱስ ወዲ ኣምላኽ ክብሃል ኢዩ።”(ሉቃ 1:30,31,35) እዚ
ብስራት’ዚ፡ ንዘመናት ኣቦታትና ክጽበይዎ ዝጸንሑ ዜና ኢዩ። ናይዚ
ብስራት ቀዳመይቲ ተኻፋሊት ከኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያ።
ብኸምኡ ኢያ ኸኣ ቅድስት ቤተክርስትያን ንድንግል ማርያም ናይ
መጀመርያ ክርስትያን ትብላ። ናይ መጀመርያ ክርስትያን ጥራይ ዘይኮነት
ናይቲ ድሕነት እዉን ጀማሪት ኢያ። ምኽንያቱ እቲ ብስራት ክንገራ ከሎ
ኣሜን ኢላ ዝተቐበለትን ዝፈለጠትን ንሳ’ያ። በዚ ምኽንያት ቅዱስ ኤፍሬም
ሶርያዊ ከምዚ ይብላ “ኣኽሊል ትምክሕትና፡ ጀማሪት ድሕነትና፡ መሠረት
ንጽሕናና ብድንግል ማርያም ኮነ። ምእንቲ ድሕነትና ሰብ ዝኾነ ኣካላዊ
ቃል እግዚኣብሔር ወለደትልና። ብርግጽ ሰብ ኮይኑ እንተ ተወልደ’ውን

- 46 -
ወዲ ሰብ
ፍጹም ኣምላኽ ኢዩ፡ ንሳ ብድንግልናኣ ከላ ወሊዳቶ ኢያ’ሞ ናይ ምውላዳ
ሓይሊ ክንገር ዘይክኣል ኣደናቒ ኢዩ፡ ስለዚ ቅድስት ድንግል ለምንልና።” 35
ስለዚ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ብድንግልና ምዉላዱ ሓደ ዓቢ
ምስጢር’ዩ ።

ቅዱስ ኣግናጥዮስ

“ድንግልና ማርያምን፡ ቆልዓ ምዉላዳን፡ ከምኡ’ዉን ሞት ናይ ጎይታን።


እዞም ሰለስተ ካብ መስፍን’ዛ ዓለም ስዉራት ኢዮም። ስለስተ ምስጢራት
ብድምቀት ተገሊጾም። እንተ ኾነ ብህድኣት ብእግዚኣብሔር ኢዮም
ተፈጺሞም።” 36

“እግዚኣብሔር ወልድ ብሓቂ ካብ ድንግል ተወሊዱ፡ልክዕ ከም ናትና ባህሪ


ዘለዎ ስጋ ለበሰ። እቲ ንኹሉ ኣብ ማህጸን ዝሰረተ፡ ካብ ዘርኢ ድንግል
ብዘይ ርክብ ምስ ሰብኣይ ብሓቂ ኣብ ማህጸን ንገዛእ ርእሱ ገበረ” 37

ኤጲፋንዮስ ዘሰላሚስ

“ብሓደ ኣምላኽ፡ እግዚኣብሔር ኣቦ ኩሉ ዝርኤን ዘይርኤን ዝፈጠረ


ብሓደ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ንኣምን………ምእንታና
ምእንቲ ድሕነትና ወሪዱ ስጋ ለበሰ። ብመንፈስ ቅዱስ ካብ ዘለኣለማዊት
ድንግል ማርያም ተወልደ።” 38

እግዚኣብሔር ኣብ ማሕጸን ድንግል ማርያም ክሓድር ከሎ ብዘይ ፍቓድን


ድልየትን ናይ ድንግል ማርያም ኣይሓደረን። እንታይ ደኣ በቲ መልኣኽ
ኣቢሉ ፍቓዳን ድልየታን ሓቲቱ ኣብኣ ሓደረ። ንሱ ኩሉ ክገብር ዝኽእል

ዉዳሴ ማርያም ናይ ሰሉስ


35
36
St. Ignatius epistle Ad Ephes 19:1
37
The epistle of Ignatius to the Trallians, Chapter X, The reality of Christ’s passion.
38
Epiphanius of Salamis,The man well-anchored 120

- 47 -
ወዲ ሰብ
ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፡ ብዘይ ፍቓድን ድልየት ደቂ-ሰባት ኣብ ድሕነቶም
ኣይሰርሕን’ዩ። ድንግል ማርያም ንሕቶ እግዚኣብሔር ብትሕትናን ምሉእ
ድልየትን ተቐበለቶ። ነቲ መልኣኽ ከኣ “ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” በለቶ።
ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ክዉለድ ከሎ ተምሳል ናይታ ሓዳስ
ቤተክርስትያን ኢዩ። ምኽንያቱ ድንግልና ሰማያዊ ሕጊ’ዩ። መርዓ ግና
ኣብ’ዚ ምድሪ ጥራይ ዝፍጸም፡ ሕጊ ተጻመድቲ’ዩ። ደቂ ሰባት ኣብዚ ምድሪ
ዝምርዓዉሉ ምኽንያት፡ ካብቶም ብዙሓት መንፈሳዉያን ምኽንያታት ሓደ፡
ኣብ’ዚ ምድሪ ንዕዖም ዝትክእ ሓድጊ ዉላድ ምግዳፍ ኢዩ። ኣብ ሰማያት
ግና ምትኽኻእ ዝበሃል የለን። ከም መላእኽቲ ኮይና ደኣ ኢና ንነብር
እንበር፡ ኣብኡ ምትእትታዉ የለን። ስለዚ መርዓ ኣብ ሰማያት ኣድላይነት
የብሉን። ኩሉ ሰብ ብድንግልና ከም መላእኽቲ ኮይኑ ይነበር። ስለዚ
ድንግልና ናይቶም ሰማያዉያን ፍጥረታት ህይወት’ዩ።

ድንግል ማርያም ንክርስቶስ ብድንግልና ኣብዚ ምድሪ ምዉላዳ፡


እግዚኣብሔር ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ከም ዘቖሞ
ምልክት’ዩ። ስለዚ ህዝቢ ኣምላኽ ናብ ሓድሽ ኪዳን ተጸዊዖም። እዚ ማለት
ከኣ ነቲ ናይ ሰማያት ህይወት ዝኾነ ድንግልና ኣብ ልቦም፡ ኣእምርኦም፡
ትንፋሶም ንክርስቶስ እንዳ ሰዓቡ ክነብርሉ’ዩ።

- 48 -
ወዲ ሰብ

፲፪- ድሕነት ብክርስቶስ


ዕላማን ጉዕዞን ክርስትያን ናብ ድሕነት ኢዩ። ስለዚ ንሓደ ክርስትያን
ካብ ንድሕነት ንላዕሊ ዘሻቕሎ ዋኒን የብሉን። ድሕነት ክንብል ከለና
ብሕድገት ሓጢኣት ካብ ናይ ዘለኣለማዊ መቕጻዕቲ ነጻ ሙዃንን በቲ
ዝተሓደሰ መልክዕ እግዚኣብሔር ካብ ዉድቀትን ርኽሰትን ነጻ ኴንካ ብጸጋ
ኣምላኽ ናብቲ ፍጹም ምስሊ እግዚኣብሔር ምዕባይን’ዩ።

ድሕነትና ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘለና ሓድነት ኢዩ ዝሙርኮስ። “እቲ ምስ


ኣምላኽ ሕብረት ዘለዎ ንሱ ክድሕን ኢዩ።” እዚ ማለት ንሕና ንክንድሕን
ክርስቶስ ኣባና ንሕና ከኣ ኣብ ክርስቶስ ምንባር የድሊ። ኣምላኽ ብገዛእ
ርእሱ እዉን ድሕነት ኢዩ። “ከመይ ኣዕንተይ ነቲ ምድሓንካ ርእየንኦ
ኢየን።”(ሉቃ 2:20) “ኣምላኽ መድሓኒየይ ኢዩ፡ ብእኡ እእመን፡ ኣይፈርህን
ከኣ እየ።”(ኢሳ 12:2) “ሓይለይ መዝሙረይን እግዚኣብሔር ኢዩ። ንሱ’ዉን
ምድሓነይ ኮነ።”(መዝ 118:14) ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ደቂ ሰባት፡ ኩሉ
ዕዮ ድሕነት ፈጺሙ፡ ብነጻ ከም ገጸ በረከት ሃበና። “ንሱ፣ ኩሉ ሰብ
ክድሕንን ናብ ፍልጠት ሓቂ ክመጽእን ኢዩ ዝፈቱ።” (1ይ ጢሞ 2:4) ካብ
ደቂ ሰባት ዝኽፈል ዋጋ የለን። ምኽንያቱ ዋጋ ዕዳና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና
ኮይኑ ንዋጋና ከፈለልና። “ከመይ ገንሸል ፋሲካና ክርስቶስ ተሰዊዑ’ዩ” (1ይ
ቆሮ 5:7) ኣብ ትንቢቱ እዉን ነቢዩ ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ነይሩ። “ብሓቂ
ንሱ ንሕማምና ፆሮ፣ ንስቓይና ከኣ ኣብ ነብሱ ጸዓኖ፣…….. ንሱ ግና ብሰሪ
ገበንና ቖሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ከኣ ተኸትከተ፣ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፣
መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕና እዉን ብስንብራቱ ሓዌና። ኵላትና ኸም
ዝተባረራ ኣባጊዕ ነበርና፡ ነፍስ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሔር
ከኣ ኣበሳ ኩላትና ናብኡ ኣዉደቖ።” ቀጺሉ “እግዚኣብሔር ግና ኸምዚ
ይብል ኣሎ፥ “ኪሳቐን ብመከራ ኺሕምሸሽን ፍቓደይ ኢዩ፡ ሞቱ ሕድገት
ሓጢኣት ዜምጽእ መስዋእቲ ነበረ…….. እቲ ኣነ ብእኡ ዝተሓጎስኩ ጻድቕ
ባርያይ፡ ንቡዙሓት ኬጽድቕ፡ ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ክጸዉር ኢዩ።”(ኢሳ
53:4-6,10-11)

- 49 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ኣትናቴዎስ

“ጎይታ ክርስቶስ ከም ዮሃንስ ርእሱ ኣይተመትረን፣ ኣካላቱ ከኣ ከም


ኢሳይያስ ብመጋዝ ኣይተመትረን። ስለዚ መታን ነቶም ንቤተክርስትያን
ክጓዛዝይዋ ዝደልዩ ምኽንያት ከይህቦም ብመላእ ኣካላቱ ኣብ እዋን ሞቱ
ከይተረፈ ከም ዘለዎ ዓቀቦም።” 39

“እንተ ዘይስቀል ነይሩ፡ ከመይ ኢሉ ናብኡ ክጽዉዓና ይኽእል፧ ወዲ-


ሰብ’ከ ብጀካ ኣብ መስቀል ኣብ ካልእ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ክመዉት ኣይክእልን
ኢዩ። በዚ ምኽንያት’ዩ ጎይታ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ንጽዋእ ሞቱ ክቕበል
ዝመደበ። ስለዚ በቲ ሓደ ኢዱ ነቲ ኣረጊት መንግስቲ፡ በቲ ካልእ ከኣ
ንካልኦት መንግስታት ክስሕብ። በዚ ምኽንያት ከኣ ኩለን ኣብ ሰብነቱ
ክሓብራ ከኣላ።”

“እቲ ባዕሉ ዝበሎ ቃል እዚ’ዩ “ኣነ ድማ ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በልኩ


ንኹሉ ናባይ ክስሕቦ ኢየ።(ዮሃ 12:32)”

“ጎይታ ንዲያብሎስ ክስዕር፡ ንኣየር ከንጽህን ናብ ሰማያት ዝወስድ መንገዲ


ክጸርገልናን መጺኡ። ከምቲ ሃዋርያ ዝበሎ “እንኣትዎ ከኣ በቲ መጋረጃ፡
ማለት ብሰብነቱ ዝተኸፍተ ሓድሽን ህያዉን ዝኸዉን መንገዲ ኣቢልና ኢና።
(ዕብራ 10፡20) እዚ ብሞት ኣቢሉ ተፈጺሙ። በየናይ ዓይነት ሞት’ዩ ክፍጸም
ዝኸኣለ፡ ድሕነት ብሞት ኣብ ኣየር፡ ንሱ ከኣ ኣብ መስቀል’ዶ ኣይኮነን፧” 40

ኣብቶም ቀዳሞት ዘመናት፡ ሰብ ኣብ መስቀል እንተ ደኣ ተሰቂሉ፡ ናይ


መርገም ዉጽኢት ኢዩ ይብሉ ነበሩ። ሃዋርያ ጳዉሎስ ከምዚ ይብል “ “ኣብ
ዕንጨይቲ ዝተሰቕለ ርጉም ይኹን” ዚብል ጽሑፍ ከም ዘሎ፣ ክርስቶስ ኣብ
ክንዳና ብምዃን ካብ ሕጊ መርገም ኣድሓነና።”(ገላ 3፡13) ክርስቶስ
መርገምና ክሓጽብ እንተ ኾይኑ ንሱ ኣብ’ቲ ናይ ርጉማት ሰባት መቕጽዒ

39
The incarnation of Word, chapter 24
40
The incarnation of Word, chapter 25

- 50 -
ወዲ ሰብ
ዝኾነ መስቀል ክስቀል ነይርዎ። ኣብ’ቲ መስቀል ከኣ ደሙ ክፈስስ ግድነት
ኢዩ። ምኽንያቱ ሃዋርያ ጳዉሎስ ከምዚ ይብል “ብዘይ ምፍሳስ ደም’ዉን
ሕድገት ሓጢኣት የልቦን።”(ዕብራ 9:22) ስለዚ እቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ
ናይ ክርስቶስ ደም ነቲ ብመርገም ዝኣክል ካብ ኣምላኹ ተፈልዩ ዝነበረ
ኣዳም ናብ ፍጹም ቅድስናን ድሕነትን ክመልሶ ምሉእ ዓቕምን ሓይልን
ስልጣንን ነይርዎ። “ብእኡ፡ ማለት ብደሙ ድሕነት፣ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ከኣ
ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና።”(ኤፌ 1፡7) ቀጺሉ ከምዚ ይብል እቲ ሃዋርያ
“ብእኡ ድሕነት፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና።”(ቆላ 1:14) ብጀካ ብደም
ኢየሱስ ክርስቶስ ብካልእ መስዋእቲ ደቂ ሰባት ካብ ኣምላኽ ይቕሬታን
ድሕነት ክንረኽበሉ እንኽእል ካልእ መንገዲን ሜላን ኣይነበረን። “ንሱ
ምእንቲ ሓጢኣትና በጃ ኾነ፡ ምእንቲ ሓጢኣት ኩሉ ዓለም ከኣ እንበር
ምእንቲ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኮነን።”(1ይ ዮሃ 2:2)

እዚ ጥራይ ዘይኮነ ንዘርኢ ኣዳም ብደሙ ገይሩ ባረኾን ኣንጽሆን፡ ካብ


ሓጢኣት ከኣ ነጻ ገበሮ። ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ኩላ ዓለም ተቐደሰትን
ነጽሄትን በዚ ምኽንያት ኢና ከኣ ክርስቶስ ንድሕነትና ኩሉ ፈጺሙ ከም ገጸ
በረኸት ሂቡና ዝበልና። እዚ ክንብል ከለና ግና እቶም ዝድሕኑ፡ ብስሙ
ኣሚኖም ዝተጠመቑን መስቀሉ ተሰኪሞም ዝስዕቡን ደኣ እንበር፡ ንኹሉ
ብጅምላ ኣይኮነን። “ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና
ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።” (ዮሃ 1:12) ስለዚ ኣብ ድሕነት ከም
ቅድመ-ኩነት ዝመጽእ እምነት፣ ጥምቀት፣ ምስጢራት ቤተ-ክርስትያን፣ ሰናይ
ተግባር ወይ ቅዱስ ናብራ ኣሎ።

ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ጸጽባሕ ትቆርሶ ስጋን ደምን ክርስቶስ፡


እቲ ክርስቶስ ንድሕነትና ኢሉ ዝሃበና ገጸ በረኸት ኢዩ። “እዚ ምእንቲ
ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ዘሎ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ደመይ ኢዩ እሞ
ካብዚ ኩሉኹም ስተዩ።” (ማቴ 26:28) “ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱዉን ካብ
ኩሉ ሓጢኣትና የንጽሓና ኢዩ።” (1ይ ዮሃ 1:7) ሃዋርያ ጳዉሎስ ብተመሰሳሊ
ከምዚ ይብል “ደም እቲ ብዘለዓለማዊ መንፈስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ብዘይ ኣበር
ንእግዚኣብሔር ዘቕረበ ክርስቶስ ግዳ፣ ነቲ ሕያዉ ኣምላኽ ምእንቲ
ከነገልግል፡ ንሕሊናና ካብቲ ሞት ዜስዕብ ግብሪ ክንደይ ኣዚዩ

- 51 -
ወዲ ሰብ
ዘየንጽሖ፧”(ዕብ 9:14) ካብቲ ጽልዋ ሓጢኣት ብጸጋ፣ ንስሓ፣ ቅዱስ ቁርባን፣
ጾም፣ ጸሎትን ምስጋናን ጌርና ከም ነምልጥ ገይሩና። ብደሙ ገይሩ ከኣ
ቀደሰና “ኢየሱስ ከኣ ንሕዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኪቕድስ ኣብ ወፃኢ እታ
ከተማ ተሳቐየ”( ዕብራ 13:12) ብተመሳሳሊ ከምዚ ይብል “ኢየሱስ ክርስቶስ
ብፍቓድ ኣምላኽ ክፍጽም ንሰብነቱ ሓንሳእን ንሓዋሩን ስለ ዝሰዉዔ
ተቐዲስና ኢና…………እዚ ኸኣ ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መሥዋዕቲ
ንዘለኣለም ፍጹማን ስለ ዝገበሮም ኢዩ።”(ዕብራ 10:10,14) እዚ ጥቕሲ’ዚ
ክርስቶስ ሓንሳእ ስለ ዝተሰቐለን ነቲ ዕዳ ሞት ስለ ዝኸፈሎን ሓጢኣት የሎን
ኣየስምዕን። እንታይ ደኣ ነቲ ብጥምቀትን ቅብኣት ሜሮንን ኣቢልና ንረኽቦ
ሓድሽ ዉልድነትን ህያብ መንፈስ ቅዱስን ኢዩ ዘመልክት። በዚ ጥምቀት
ኣቢልና ምስ ክርስቶስ ንመዉትን ንትስእን። ስለዚ እዚ ቅድስና ካብቲ
ዝተጠመቕናሉ ግዜ ይጅምር፡ ነቲ ቅድስና ዓቂብና ክንከይድ ግና፡ ናትና
ገድሊ የድሊ። ኣብ’ቲ እንገብሮ ገድሊ ከኣ ጸጋ ኣምላኽ ይድግፈናን
ይመርሓናን። “እቲ ምድሓን ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ንኹሉ ሰብ ተገሊጹ
ኢዩ። እዚ ንኽሕደትን ንዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና ኣብዚ ዓለም እዚ ገዛእ
ርእስና ብምግታእ ብጽድቅን ብመንፈሳዉነትን ክነብር ይምህረና። ከምዚ
ኢልና ነቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ
ክርስቶስ ምግላጽን ክብርን ንጽበ ኣሎና። ንሱ ካብ ሓጢኣት ዘበለ ሓራ
ምእንቲ ኼዉጽኣና ንሠናይ ግብሪ ዚቐንኡን ንእኡ ዚኾንዎን ሕዝቢ
ምእንቲ ኼንጽሕ ገዛእ ርእሱ በጃና ኣሕለፈ።”(ቲቶ 2:11-14)

- 52 -
ወዲ ሰብ

፲፫- ኣገዳስነት ጥምቀት ንህጻናት


ካብ ፈለማ እዋን፡ ህጻናት ናብ ናይ ሓዲሽ-ኪዳን ቤተ-ክርስትያን
ጽዉዓት ኢዮም። ክርስቶስ ከምዚ እንዳ በለ ክጽዉዖም ንርኢ፣ “መንግስተ
ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕደጉ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ
ኣይትኸልክልዎም።” (ማቴ 19:14) በዚ ምኽንያት ኣብ ናይ ሓዲሽ-ኪዳን
ክሳተፉ መሰል ኣለዎም። ስለዚ ካብ ዘበነ ሃዋርያት ኣትሒዞም ይጥመቑ
ነበሩ። እዚ ስርዓት እዚ፡ ናብቶም ካብ ሃዋርያት ቀጺሎም ዝመጹ ኣቦታት
ቤተ-ክርስትያን፡ ደሓር ቀጺሉ ኸኣ ናብ ኣቦታት ካህናት እንዳ ተወራረሰ
መጸ።

ምናልባት ንእግረ መንገድና ነቶም ንህጻናት ምጥማቕ ዝቃወሙ ገለ ናይ


ኬልቄዶናዉያን ኣብያተ-ክርስትያናት፡ መብሪሂ ዝኾነና ካብ መጽሓፍ
ቅዱስን ቀዳሞት ኣቦታት ቤተክርስትንን ክንርኢ ኢና። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ
ብዙሓት ስድራቤታት ብሓባር ዝተጠመቑ ንረክብ ኢና። ሓደ ካብኦም ስድራ
ቆርኔሌዎስ ኢዮም። “ንሱ ከኣ መልኣኽ ኣብ ቤቱ ደዉ ኢሉ “ንኢዮጴ ልኣኽ
እሞ ነቲ ጴጥሮስ ዚበሃል ስምዖን ኣምጽኣዮ፡ ንስኻን ኩሉ ቤትካን
እትድሕኑሉ ቃል ንሱ ኪነግረካ እዩ።” (ግ.ሃ 11:13-14) ካልእ ስድራ ሊድያ
ኣለዉና “ንሳ ምስ ስድራ ቤታ ምስ ተጠምቀት ከኣ፡ ከም ኣማኒት ጐይታ
ርኢኹምኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ናብ ቤተይ ኣቲኹም ተቐመጡ፡ ኢላ
ለመነትና ግዲ’ውን በለትና።” (ግ.ሃ 16፡15) ከምኡ እዉን ሓላዉ ቤት-
ማእሰርቲ ዝነበረ “በታ ሰዓት እቲኣ ብለይቲ ወሲዱ ኣቚሳሎም ሐጸቦም።
ሽዑ ንሱ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተጠምቀ።” (ግ.ሃ 16:33) ስድራ ቀርስጶስ
(ግ.ሃ 18:8) ከምኡ’ዉን ስድራ እስጢፋኖስ። እዘን ኩለን ስድራቤታት ካብ
ህጻናት ክሳብ ዓበይቲ ዝኾኑ ኣባላት ስድራ-ቤት ዘጠቓለላ ኢየን ነይረን።

እቲ ክርስቶስ ዘበርከቶ ሞትን ትንሳኤን ንዝኾነ ዝተቐበሎን ዘይተቐበሎን


ኣይኮነን ማዕረ ዝበጽሕ። ከምቲ ኣዳም ብፍቓዱ ናብ ሞት ዝበጽሔ፡ ናብ
ህይወት ክርስቶስ ክኣቱ እንተ ኮይኑ እዉን ብፍቓዱ ክኸዉን ኣለዎ። ስለዚ
ፍቓድ ህጻናት በቶም ዝወለድዎም ክፍጸመሎም ቤተ-ክርስትያን ኣፍ-ደገ
ድሕነት ከፊታ።

- 53 -
ወዲ ሰብ
ኣቦታት ቤተክርስትያን ብዛዕባ ጥምቀት ህጻናት ከምዚ ይብሉ። “ቅድም
ነቶም ህጻናት ተጠምቑ……… እቶም ክዛረቡ ዘይክእሉ ግና ወለዶም ወይ
ኣባልጌኦም ኣብ ክንድኦም ኮይኖም ብዛዕባ እምነቶም ይዛረቡ።” (ቅዱስ
ሂፖሊትዩስ (Hippolytus)) ከምኡ እዉን “ኩሎም እቶም ኣብ እግዚኣብሔር
ዳግማይ ዝተወልዱ ናኣሽቱ ህጻናት….. ዓበይትን።” ይብል ቅዱስ ኢራንዮስ፡
ብተወሳኺ ኸኣ “ብዙሓት ኣወዳት፡ ኣዋልድ ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም
ኣርድእቲ ክርስቶስ ዝኾኑ።” ይብል ቅዱስ ጃስቲን ሰማእት።

ኣብቲ እግዚኣብሔር ወልድ ምስ ህዝቡ ዝኣተዎ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ቃል


ኪዳን፡ ህጻናት እዉን ኣካል እዚ ኪዳን’ዮም። ከምቲ ብግዜ ማይ ኣይሂ
እግዚኣብሔር ምስ ኖህ ቃል-ኪዳን ክኣቱ ከሎ፡ ብምሉኡ ካብ ዓቢ ክሳብ
ንእሽቶ ኣባል እታ ስድራ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ናይቲ ኪዳን ተሳተፍቲ
ኢዮም ነይሮም።(ዘፍ 7:11)። ኣብርሃም ምስ እግዚኣብሔር ኪዳን ከኣቱ ከሎ፡
ኩሉ ኣባል እታ ስድራ ካብ ዓቢ ክሳብ ንእሽቶ ብመሰረት ኪዳን ኩሉ ተገዚሩ
ኢዩ።(ዘፍ 17:23)። ከምኡ እዉን ንደቂ እስራኤል እዉን ባሕሪ ኤርትራ
ከስግሮም ከሎ፡ ምሉእ ኣባላት ስድራ ኣብቲ በዓል ፋሲካ ተሳቲፎም፡ ንባሕሪ
ኤርትራ ሰጊሮም ኢዮም።( ዘፀ 12:24-28)። ህጻናት እዉን ኣብ ሓዲሽ ኪዳን
ኣካል ናይ’ዚ ክርስቶስ ምስ ቤተክርስትያን ዝኣተዎ ኪዳን ኢዮም። ሃዋርያት
ከኣ ነዚ ስርዓት ካብ መጀመርያ ስለ ዝተረድእዎ ንህጻናት ብፀጋ ጥምቀት
የጠምቑ ነይሮም። ሓደ ህጻን ምስ ዝጥመቕ እዞም ዝስዕቡ ተግባራት ኣብ’ቲ
ህጻን ይፍጸሙ።

ሀ) ብጥምቀት ኣባል ቤተክርስትያን ይኸዉን

ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን ካብ’ቲ ናይ ኣብርሃም ኪዳን ተሳተፍቲ ክኾኑ


ኩሉ ወዲ ተባዕታይ ዝግዘር ዝነበረ። ናይ ሓዲሽ ኪዳን ግዝረት ከኣ ጥምቀት
ኢዩ። ግዝረት ነቲ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ጥምቀት ምልክት ወይ ጽላል ነይሩ።
ሰለዚ እቲ ሕጂ ዘለኣላማዊ ኪዳን ምስ እግዚኣብሔር ንኣትወሉ፡ ተግባር
ጥምቀት ኢዩ። ብእኡ ኣቢልና ኣብቲ ኣካላት ክርስቶስ ኣባላት ንኸዉን።
“ንስኻትኩም ድማ ብግዝረት ክርስቶስ ነቲ ናይ ስጋ ሰብነትኩም ቀንጢጥኩም
ብኢድ ዘይኮነ-ግዝረት ብእኡ ተገዘርኩም፡ ብጥምቀት እዉን ምስኡ

- 54 -
ወዲ ሰብ
ተቐበርኩም ብግብሪ እቲ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ
ተንሳእኩም።” (ቆሎ 2:11-12) ፖፕ ሺኖዳ ነዚ ጥቕሲ ከብርህዎ ከለዉ ከምዚ
ይብሉ “ከምቲ ፍሉጥ ከኣ ኣብ ግዝረት ካብ ኣካላትና ሓደ ኣካል ይቁረጽ
እሞ ይመዉት፡ ነቲ ኣብ ጥምቀት ዝፍጸም ምሉእ ሞት ዘመልክት ኢዩ።
ልክዕ ከምቲ ግዝረት ነባሪ ምልክት ዝኾነት ጥምቀት እዉን ከምኡ’ያ።”

ለ) ብጥምቀት ዉልድነት ይረኽቡ

“ኢየሱስ ድማ፡ ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክርእያ


ዝኽእል ከም ዘየልቦ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ ኢሉ
መለሰሉ።……………… ኢየሱስ መለሰ፡ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ፡ ካብ
ማይን መንፈስን እንተ ዘይተወልደ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ዝኽእል
የልቦን።”(ዮሃ 3:3-5)። እዚ ዉልድነት እዚ ብጥምቀት ኣቢልና ንረኽቦ
ዉልድነት’ዩ። እዚ ዉልድነት’ዚ ኣዳም ሓጢኣት ምስ ሰርሔ ዘጥፍኦ
ዉልድነት ኢዩ። እቶም ካብኡ ቀጺልና ዝመጻና ዉሉዱ ከኣ ነዚ ዉልድነት
ከይሓዝና ንዉለድ፡ ምስ ተጠመቕና ግና እዚ ዉልድነት ይምለሰልና።

“ከመይ ንስኻትኩም ነቲ ብእኡ ጌርና “ኣባ፣ ኣቦ” ኢልና እንጽዉዓሉ


መንፈስ ዉልድነት ኢኹም ዝተቐበልኩም……… እምበኣር ዉሉድ ካብ
ኮንና፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ ንክርስቶስ ድማ መዋርስቱ
ኢና።”( ሮሜ 8:15,17) ንሕና
ናይ ፀጋ ዉሉድ ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ኢና፡
በዚ ኢና ድማ ንኣምላኽ ንወርሶ።

- 55 -
ወዲ ሰብ

፲፬- ዘይተጠምቁ ህጻናት ናብ ሲኦል ይኸዱ ዲዮም፧


ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ናብ ሲኦል ዝኸይድ ሰብ ብሰንኪ
ሓጢኣቱን ነቲ መዋቲ ባህሪኡ በቲ ዘይመዉት ባህሪ ክርስቶስ
ዘይምትክኡን’ዩ ኢላ ትኣምን። ስለዚ ሓጢኣት ክገብር ዘይክእል ህጻን፡
መቕጻዕቲ ሓጢኣት ዝወስደሉ ምኽንያት የብሉን። እቲ ምዉት ባህርያት
ሰብ ሒዙ ስለ ዝተወልደ፡ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ እንተ ኾይኑ ብስም
ክርስቶስ ተሓጺቡ ምእታዉ ክበቅዕ ግን ግድነት ይጥመቕ ትብል። ስለዚ
ህጻን ምስ ዝሓምም ዋላ እኳ ወዲ ሓደ መዓልቲ ይኹን ቤተ-ክርስትያን
ተጠምቖ። እቶም ኣብ ጥምቀት ከይበጽሑ ዝዓርፉ ግና፡ “ኣብ ቤት ኣቦይ
ብዙሕ ማሕደር አሎ” (ዮሃ 14:2) ስለ ዝበለ፡ ኣብ’ቲ ንዕኦም ዝተወሰነ ናይ
መሕደሪ ቦታ ይኸዱ። ብቀንዱ ግና ፍርዲ ስራሕ ናይ እግዚኣብሔር ደኣ
እንበር ናትና ስለ ዘይኮነ ብዛዕብኦም ክንፈርድ መሰል የብልናን። እዚ ስለ
ዝኾነ ህጻናት ተግባር እንተ ዘይሃለዎም፡ ዉሉድነት ስለ ዘይብሎም ግድን
ክዉለዱ ኣለዎም። ስለ ዘይተወልዱ ናብ ሲኦል ከይከዱ ዉሕስነቶም ግና፡
እቲ ኣብ መስቀል ክርስቶስ ዝተፈጸመ ፍቕሪ ኣምላኽ’ዩ። ናብ መንግስቲ
ኣምላኽ ይኣትዉ ከይንብል ግና መርትዖ ከኣ የብልናን። ምኽንያቱ እታ
መንግስቲ ናይ ኣምላኽ ደኣ እንበር፡ መንግስትና ኣይኮነትን። ኣብ
ዘይናትናን ዘይንፈልጦን ክንዛረብን ዉሕስነት ክንኣቱን ግና ዕሽነት ኢዩ።
ኣምላኽ ኩሉ ዝገብር ኣምላኽ ኢዩ። “ነቲ ዝምሕሮ ክምሕሮ፡ ነቲ
ዝድንግጸሉ’ዉን ክድንግጸሉ ኢየ።”(ሮሜ 9:15)።

ብዛዕባ ኣዳማዊ ሓጢኣትን ዉድቀቱን ብሰለስተ መንገዲ ክንገልጾ


ንኽእል። ቀዳማይ እቲ ቀዳማይ ሓጢኣት’ዩ። ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና እዚ
ሓጢኣት ዝወራረስ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ብሰሪ እቲ ቀዳማይ ሓጢኣት
ዘስዓቦ ጠንቂ ነቲ ዝወደቐ ባህሪ ጥራይ ኢኻ ትወርስ። እቲ ቀዳማይ
ሓጢኣት ንሕማም፣ መከራ፣ ሓጢኣት፣ሞት ናብቲ ንጹህ ፍጥረት ወዲ-ሰብ
ከም ዝኣቱ ገይሩ።(1ይ 5:19, ሮሜ 5:12)። ስለዚ ንሕና ብናይ ኣዳም
ሓጢኣት ተወሊድና ክንብል ከለና ናብዚ ዝወደቐ ዓለም ተወሊድና
ማለትና’ዩ። እንተ ኮነ ኣብቲ ቀዳማይ ሓጢኣት ብቀጥታ ስለ ዘይተሳተፍና
ብሰሪ እቲ ኣዳም ዝገበሮ ሓጢኣት ንሕና እዉን ሓጥኣን ክንበሃል
- 56 -
ወዲ ሰብ
ኣይንኽእልን፡ እንታይ ደኣ ናብ ሓጢኣት ዝወድቕ ባህሪ ሒዝና ደኣ
ንዉለድ እንበር። ካልኣይ ባህሪ (ዘርኢ) ሓጢኣት ኢዩ። ነዚ ከም ሓደ ናይ
ሓጢኣት ትምኒት ጌርና ክንርእዮ ንኽእል። ሓደ፡ ካብ ንኣልኮል ግዙእ ዝኾነ
ወላዲ ዝተወልደ ዉላድ፡ ነቲ ወላዲኡ መስተ ሰትዩ ዝገበሮ ኣበሳ ኣይኮነን
ሓላፍነት ዝወስድ። እንታይ ደኣ፡ ንሱ ከም ወላዲኡ ናይ መስተ ግዙእ
ንኽኸዉንን ልክዕ ከምቲ ወላዲኡ ዝገበሮ ኣበሳ ክደግምን ግን፡ ሰፊሕ ዕድል
ኣለዎ። ሳልሳይ፡ ናይ ዉልቂ ሓጢኣት ኢዩ። እዚ ብገዛእ ርእስና ንገብሮ
ሓጢኣት ኢዩ። ሓደ ሰብ በቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ገበነኛ ኢዩ። ህጻን እንተ
ኮይኑ ግና ብገዛእ ዉሳኔ ሓጢኣት ክገብር ስለ ዘይክእል ሓጢኣተኛ’ዩ
ክንብሎ ኣይንኽእልን።

ከም ሓቂ ጥምቀት ካብ ሓጢኣትካ ምሕጻብ’ዩ። ሓደ ሰብ መጺኡ ህጻናት


በቲ ናይ ኣዳም ሓጢኣተኛታት እንተ ደኣ ዘይኮኑ ኮይኖም ስለምንታይ ደኣ
ነጠምቆም ዝብል ሕቶ ክሓትት ይኽእል ኢዩ። እንተ ኾነ መስዋእቲ
ክርስቶስ፡ ናብቲ ንሕና ዝተጠመቕናሉ ንገዛእ ርእሱ ከም መስዋእቲ ናብ
እግዚኣብሔር ብምቕራብ ኢዩ። “ግናኸ ፍቓድካ ደኣ እንበር ፍቓደይ’ሲ
ኣይኹን።” (ሉቃ 22:42)። ኣብ መስቀል ምማቱ ካብ ሓጢኣት ክሓጽበና
ጥራይ ዘይኮነ ንሞት ክስዕር እዉን ኢዩ። “እንበኣር ከምቲ ክርስቶስ ብኽብሪ
ኣቦ ካብ ምዉታት ዝተንሰኣ፡ ከምኡ ከኣ ንሕና ብሓዳስ ህይወት ምእንቲ
ክነብር፡ ብጥምቀት ምስኡ ሞትናን ተቐበርናን”(ሮሜ 6:4)። ስለዚ ክንጥመቕ
ከለና ናብ ህይወቱን ሞቱን ኣቢልና ንጥመቕ። ስለዚ ካብቲ ንኣምላኽን ሰብን
ብፍቕርን ዉህደትን ዝጠምሮም ህይወት ተኻፈልቲ ንኸዉን ኣለና ማለት’ዩ።
ስለዚ እዞም ህጻናት ናብዚ ሕብረት ጀመርቲ ይኾኑ። እዚ ምጅማር
ንሕድገት ሓጢኣቶም እዉን የጠቓልል ኢዩ። እንተ ኾነ እዚ ሕድገት ዉሱን
ደረት የብሉን።

- 57 -

You might also like