Professional Documents
Culture Documents
ወዲ-ሰብ
ወዲ-ሰብ
i
ወዲ ሰብ
ii
ወዲ ሰብ
iii
ወዲ ሰብ
ትሕዝቶ
ኣርእስታት ገጽ
መቅድም…………………………………………………….V
ስነ-ፍጥረት…………………………………………………..1
ስነ-ፍጥረት(Creationism) ኣንጻር ኢቮሊሽን(Evolution)……6
ዕላማ እግዚኣብሔር ኣብ ስነ-ፍጥረት……………………...11
ኣዳም………………………………………………………..13
ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንፍጠር…………………….16
ፍልልይ መልክዕን ምስልን…………………………………25
ትእዛዝ እግዚኣብሔር ንኣዳም……………………………...30
ዉድቀት ኣዳም……………………………………………...34
ሳዕቤን ብሰንኪ ዉድቀት ኣዳም…………………………….36
ትምህርቲ ጥንተ ኣብሶ………………………………………37
ተሰጋዉነት ክርስቶስ…………………………………………43
ድሕነት ብክርስቶስ…………………………………………..49
ኣገዳስነት ጥምቀት ንህጻናት………………………………...53
ዘይተጠምቁ ህጻናት ናብ ሲኦል ይኸዱ ዲዮም፧……………56
iv
ወዲ ሰብ
መቅድም
ከምኡ እዉን ኣብ’ዚ ዘለናዮ ግዜ፡ ኣምላኽ ንምድሪ ፈጢርዋ ካብ ዝብል ትምህርቲ
ንላዕሊ፡ ምድሪ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ብገዛእ ርእሳ፡ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ጥረ ነገራት
ተፈጢራ፡ ዝብል ትምህርቲ ዓብሊልሉ ዘሎ እዋን እዩ። ስለዚ መንእሰያትና ይኹኑ
ህጻናትና፡ ካብ’ዚ ሓደገኛ ትምህርቲ ተጠንቂቖም ክዓብዩን ናይ ምምዝዛን ኣእምርኦም
ክሰፍሕን ነቲ ኣምላኽ ንሰማይን ምድርን ፈጢርዎ፡ ዝብል ኣማላኻዊ ሓቂ ክርድእዎ ካብ
ዝብል ቅዱስ ቅንኢ ዝተበገሰ ኢዩ።
ኣብቲ ካልኣይ ክፋል፡ ብዛዕባ ታሪኽ ኣዳም ትገልጽ። ማለት ኣዳም ብኸመይ በዲሉ
ምስ በደለ’ኸ፡ እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ከም ዝወረዶ ተብርህ። ምኽንያቱ ብዙሓት
ሰባት፡ ከም ክርስትያን መጠን፡ ኣብ ባህርያት ወዲ-ሰብን ታሪኽ ድሕነቱን ዘለዎም
ርድኢት ኣዝዩ ጸቢብ ስለ ዝኾነ፡ እዛ መጽሓፍ ብመጠኑ ክትምልሶ ትፍትን።
v
ወዲ ሰብ
፩- ሰነ ፍጥረት
“ሰማይ ዝፋነይ ኢዩ፣ ምድሪ ኸኣ መርገጺ እግረይ ኢዩ…….. ነዚ ኩሉ
ዓለም ዝፈጠርክዎ ኣነ እየ። እዚ ኹሉ ኸኣ ኮይኑ ኣሎ” (ኢሳ 66፡1-2)
-1-
ወዲ ሰብ
ይብሃል እንተ ኾነ፡ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣቀዲሙ ከምዚ ኢሉ ነይሩ። “ኣምላኽ
ስለ ዝገለጸሎም እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ክፈልጥዎ ዝግባእ ኣብኣቶም ግሉጽ
እዩ። ከመይ ዜመኻንይዎ ምእንቲ ኪስእኑ። እቲ ዓለም ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ
ተራእዩ ዘይፈልጥ ባህርይ እግዚኣብሔር፣ ማለት ዘለዓለማዊ ሓይሉን
መለኮቱን ብፍጥረቱ ኣዚዩ ተጋህደ።” (ሮሜ 1፡19-20) ስለዚ ታሪኽ ስነ-
ፍጥረት ዓሚቕ’ዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ምስትዉዓል ይሓትት። እዚ ብናይ ገዛእ
ርእስኻ ምርምር ዘይኮነ፣ ካብቲ እግዚኣብሔር ዝህበካ ምስትዉዓል ጥራይ
ጌርካ ኢኻ ክትገልጾ ትኽእል።
-2-
ወዲ ሰብ
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰማይን ምድርን ብቃል እግዚኣብሔር’ዩ
ተፈጢሩ። ንሱ ኣዘዘ ንሳቶም ከኣ ተፈጥሩ። እዚ ፍጥረታት ግና ኹሉ ብሓደ
ግዜ ዝመጸ ዘይኮነ፣ በብግዚኡን ሰዓቱን ኢዩ ተፈጺሙ።
ኦሪጋኖስ
1
www.copticchurch.net/topics/patrology/schoolofalex2/chapter11.html.
-3-
ወዲ ሰብ
ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ ብርክት ዝበሉ ቀዳሞት ኣቦታት ቤተክርስትያን እዉን
ጽሒፎም ኢዮም። ገለ ካብኡ ቀጺልና ንርኤ፥
ባርናባስ
2
The epistle of Barnabas 15, Early Christian writing p 214.
3
Clement of Alexandria, the stromata or miscellanies,6:16, the ante-nicene fathers,
vol 2,p 512-513.
-4-
ወዲ ሰብ
እዚ ብዛዕባ ኣበሳ ኣዳምን ኣብ ሻድሻይ መዓልቲ ናብ ዘርኢ ሰብ ሞት ከም
ዘምጽኤ ክዛረብ ስለ ዝደለየ ኢዩ። ልክዕ ብናቱ መንጽር ከኣ ክርስቶስ ኣብ
ሻድሻይ መዓልቲ ሞይቱ ካብ መቕጻዕቲ ሓጢኣት ተበጀወና። ኣብዚ ቅዱስ
ኢራንዮስ ምስ ኣበሃህላ ሃዋርያ በርናባስ ይሰማማዕ ኢዩ። እቲ ሽዱሽተ
መዓልቲ ምስቲ ሽዱሽተ ሽሕ ዓመት ቅድሚ ክርስቶስ ኣነጻጺሩ ኢዩ
ዝገልጾ። እታ ሻብዓይቲ መዓልቲ ግና እዛ ንነብረላ ዘለና ናይ ምሕረት
ዘመን ኢያ። ማለት ካብ ልደት ክርስቶን ንነጀዉ ዘሎ ግዜ ኢዩ።
ቅዱስ ኢራንዮስ
4
Irenaeus, against heresies v28,3
-5-
ወዲ ሰብ
-6-
ወዲ ሰብ
ምዕባሌኦም ክሳብ ሕጂ ዘይምቕጻሉ’ዩ። ከም ኣበሃህላ ቻርለስ ዳርዊን፡ ሰብ
ካብ ህበይ ብዘገምታዊ ምዕባለ’ዩ መጽዩ ዝብል እንተ ደኣ ኾይኑ። ኣብዚ
ኹሉ ዘመናት፡ ናብ ሰብ ዝቕየራ ኣህባይ ወይ እዉን ናብ መጥበዉቲ
ዝቕየሩ ለመምታ ምረኣና ነይርና።
-7-
ወዲ ሰብ
ብዙሓት ናይ ኢቮሊሽን(Evolution) ስነ-ሓሳብ ተኸተልቲ፡ ነቲ ሰማይን
ምድርን ብእግዚኣብሔር ተፈጢሩ ዝብል ሓቂ ንከይቅበልዎ ዝኽልክሎም
ነገር፡ ብእምነት ክነብሩን ብእምነት ክቕበልዎን ስለ ዘሸግሮም ኢዩ። ከም
ክርስትያን መጠን ምስ ሃዋርያ ጳዉሎስ ኮይንና ከምዚ ንብሎም። “ኩሉ
ዓለማት ብቃል ኣምላኽ ከም ዝተፈጥረ፡ እቲ ዝርኤ ድማ ካብ ዘይርኤ ከም
ዝተፈጥረ፡ ብእምነት ኢና ነስተዉዕሎ።” (ዕብራ 11፡3)
5
Justin martyr, Dialogue with Trypho,8, The ante-nicene fathers,1,198.
-8-
ወዲ ሰብ
“ ………. ኩሎም ጸሓፍቲ፣ ገጠምቲ፣ ፍላስፋታት ኢና ዝብሉን እቶም
ንዕኦም ኣቃልቦ ዝህቡን ኩሎም ዝተታለሉ ኢዮም። ምኽንያቱ ብዛዕባ
ኣማልኽቶም ዘይተኣደነ ጽዉጽዋያትን ናይ ዓያሹ ታሪኽን የዳልዉ። ከም
ኣማልኽቲ ዘይኮነ ከም ሰብ ገይሮም ይገልጽዎም። ከም ሰብ ከለዉ፡ ገሊኦም
ሰኽራማት፣ ካልኦት ከኣ ዘመዉትን ቀተልትን ኢዮም። ከምኡ እዉን ብዛዕባ
መበቆል ምድሪ፡ ዝጋጮን ትርጉም ዘይብሉን ሓሳባት ይዛረቡ። መጀመርያ
ገለ ካብኣቶም…… ዓለም ኣይተፈጥረትን እንዳ በሉ ይኣምኑ። እቶም
ኣይተፈጥረትን፡ ባዕላ ኢያ መጺኣ ዝብሉ ምስቶም ተፈጢራ ዝብሉ
ኣይሰማምዑን። ብግምትን ብሓሳብ ሰብን ይዛረቡ። ነታ ሓቂ ከኣ
ኣይፈልጥዋን ኢዮም።” 6
ቅዱስ ትዮፍሎስ
6
Theophilus to Autolycus II, 8
7
Theophilus II, 15
-9-
ወዲ ሰብ
ቅ.ባስልዮስ
8
On Hexaemeron, Basil
- 10 -
ወዲ ሰብ
9
Lactantius , (Why God made man) XIV, Ante-nicene fathers vol 7
10
Pope shenouda III, So many years with problems of people part II, theological and
dogmatic problems, p 14.
- 11 -
ወዲ ሰብ
ገለ ሰባት ኣምላኽ ንወዲ ሰብ ዝፈጠረሉ ምኽንያት ንከምልኾ’ዩ ዝብሉ
ኣለዉ። ነዚ ትምህርቲ ፖፕ ሺኖዳ 3ይ ብትሪ ይነቕፍዎ። ከም ኣበሃህላ ፖፕ
ሺኖዳ 3ይ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ዝፈጠረሉ ምኽንያት ስለ ዘፍቀረና’ዩ
ይብሉ። ኣምላኽ ናትና ምስጋና፡ ኣምልኾ ዝጽበ ኣምላኽ ኣይኮነን። ቅድሚ
ንዓና ምፍጣሩ ብባህሪኡ ምስጉን ኢዩ። ስለዚ ናትና ኣምልኾን ምስጋናን
ምስ ናቱ ክብሪ ኣወዳዲርካ ትርጉም የብሉን። ንኣምላኽ ከነመስግኖን
ከነምልኾን ከለና ብዝያዳ ንሕና ኢና ንረብሕ። ስለ ዝኾነ ከኣ ከነመስግኖን
ከነምልኾን ፈቒዱልና ይብሉ።
፬- ኣዳም
“ኣምላኽ ከኣ “ብመልክዕናን ከም ምስልናን ሰብ ንፍጠር፡ንዓሳ ባሕርን
ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳ ዘቤትን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድርን ለመም
ንዚብል ኩሉ ለመምታን ይግዝኡ” በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ
- 12 -
ወዲ ሰብ
ፈጠረ፡ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።”
(ዘፍ 1:26-27)
ቅዱስ ባስልዮስ ዓቢ
- 13 -
ወዲ ሰብ
ወጻኢ ኣይኮነን። ቃል ከም ዝብሎ “ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ”
(ዘፍ 1:27) ኣብዚ ፈጠረ ይብል። እቲ ጸሓፊ ብዛዕባ ስጋና ክዛረብ ከሎ “ገበረ”
ይብል። ዘማራይ ዳዊት ብዛዕባ ፍልልይ “ፈጠረ”ን “ገበረ”ን ክምህር ከሎ
“ኣእዳዉካ ገበራንን ፈጠራንን” ይብል (መዝ 119:73)። ነታ ናይ ዉሽጢ
ነፍሲ ፈጢርዋ፡ ነቲ ደጋዊ ከኣ ገበሮ። ከም ሓቂ “ገበረ” ምስ ሓመድ
ዝሰማማዕ’ዩ። ፈጠረ ግና ነቲ መልክዕ’ዩ። ከምቲ’ታ ስጋ ዝተገብረት እታ
ነፍሲ ከኣ ተፈጢራ።………………… ከመይ ኢልካ ከም ዝተሰራሕካ
ኣስተንትን ንዕዮ ስነ-ፍጥረት ኣብ ግምት የእትዋ። እታ ዝተቐበለትካ ኢድ
ናይ እግዚኣብሔር’ያ። እታ ብኢድ እግዚኣብሔር ዝተገብረት ብዲያብሎስ
ክትረክስ፡ ብሓጢኣት ክትልወጥ፡ ካብ ኢድ እግዚኣብሔር ክትወጽእ የብላን።
ንስኻ ብኣምላኽ ዝተሰራሕካ ካብኡ ዝመጻእካ ኢኻ። ንፈጣሪኻ ኣመስግን፡
ንስኻ ንክብሪ እግዚኣብሔር ክትበቅዕ ዝመጻእካ መሳርሒ’ኻ እንበር ካልእ
ኣይኮንካን። ንዓኻ ኩሉ ዓለም ንክብሪ እግዚኣብሔር ዝገልጽ መጽሓፍ’ዩ።
ብገዛእ ርእሱ ነቲ ሕቡእን ዘይርኤን ክብሪ እግዚኣብሔር ንዓኻ ነቲ ኣእምሮ
ገይሩ ንሓቂ ክርዳእ ዝኽእል ይገልጸልካ። ስለዚ ነቲ ኩሉ ዝበሃለካ
ተጠንቂቅካ ኣስተብህሎ። 11
ቅዱስ ኢራንዮስ
11
St.Basil, On the human condition 2,2-4 p 49-51
- 14 -
ወዲ ሰብ
ሰብኣይ ዘይኮኑ።”(ዮሃ 1:13) እንታይ ደኣ ካብ ጽቡቕ ፍቓድ ኣቦ፡ ኣእዳዉ
እግዚኣብሔር ህያዉ ሰብ ገበረ። በዚ ምኽንያት፡ ኣዳም ብመልክዕን ምስልን
እግዚኣብሔር ተፈጥረ።” 12
12
Saint Irenaeus, Against heresis, bk V chap I(3), Ante-nicene fathers, I:527.
13
St, Ephrem the Syrian, On Genesis, section II,4 fe 74;99
- 15 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ባስልዮስ
- 16 -
ወዲ ሰብ
ዘይድረት፣ ወሰን ዘይብሉ’ዩ። ካብ’ቲ ምሳና ዘሎ ዋላ ሓንቲ ትኹን ምስ
ኣምላኽ ዝመሳሰል የለን።” 14
ሀ) ዘለኣለማዉነት
ለ) ልቦና (ኣእምሮ)
ሐ) ነጻ ምርጫ
መ) ስልጣን
ረ) ቅድስና (ጽባቐ)
14
St, Basil, On the human condition, 1,5 page 34
- 17 -
ወዲ ሰብ
ሀ) ዘለኣለማዉነት
ለ) ኣእምሮ (ልቦና)
15
On the Incarnation 1,3
- 18 -
ወዲ ሰብ
በቲ ዘስተዉዕል ልቡ ገይሩ ልክዕ ከም ኣምላኻዊ ቃል ወይ ኣእምሮ (ሎጎስ)
ኮይኑ ተፈጢሩ።” 16
ሐ) ነጻ ምርጫ
16
Exhortation to Greeks 10
17
On the human condition 1,7 page 36.
18
On the incarnation 1,3
- 19 -
ወዲ ሰብ
ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጎይታ’ዩ። እዚ ማለትና፡ ሰብ ኣብ ገዛእ ርእሱ
ብዝደለዮ መንገዲ ክስዕብ ምሉእ ምርጫን ስልጣንን ኣለዎ። ኣብ
መጀመርያ’ዉን እግዚኣብሔር ነቲ ዝፈጠሮ ወዲ-ሰብ ከምዚ ክብሎ ንርኢ።
“ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኩሉ ብላዕ። ካብ ፈረ እታ ጹቡቕን
ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ብዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመዉት
ኢኻ’ሞ ካብኣ ኣይትብላዕ።” (ዘፍ 2:16,17) ኣብ’ዚ እግዚኣብሔር ንኣዳም
ክልተ ምርጫ’ዩ ሂብዎ፡ ንሱ ከኣ ሞትን ህይወትን’ዩ። እቲ ህይወት
ብተኣዛዝነት ዝርከብ ክኸዉን ከሎ፡ እቲ ሞት ግና ብዘይ ምእዛዝ ዝመጽእ
ሳዕቤን’ዩ። መቸም ኣብ ሞንጎ ክልተ ምርጫታት፡ ክልተ ቀጺሎም ዝመጹ
ዉጽኢት ናይ’ቲ ምርጫ ኣለዉ። ክልቲኦም ጽቡቕ ክኾኑ ኣይክእሉን’ዮም
ወይ እዉን ክልቲኦም ሕማቕ ኣይኮኑን’ዮም። እቲ ምርጫ ኩሉ ግዜ ኣብ
ሞንጎ ክልተ ተቓረንቲ ነገራት’ዩ ዘሎ። ሃዋርያ ጳዉሎስ ከም’ዚ ይብል።
“ከመይ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት’ዩ። ዉህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ
ኢየሱስ ጎይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት’ዩ።” (ሮሜ 6:23)
- 20 -
ወዲ ሰብ
ህይወት ሓንቲ ዝተጻሕፈት ድራማ፡ ኩሎም ደቂ ሰባት ከኣ ተዋሳእታ ኢልና
ምደምደምና ኔርና። ኣብ መወዳእታ እዉን ፍርዲ ኣይመሃለወን ነይሩ።
ምኽንያቱ ሰባት ናይ ኣቐዲሙ ዝተጻሕፈ ዛንታ ተዋሳእቲ ስለ ዝኾኑ፡ ናይቲ
ደራሲ መንገዲ ሒዞም’ዮም ዝኸዱ። ስለዚ ብቀንዱ እቲ ደራሲ ደኣ እንበር
እቲ ተዋስኣይ ንበይኑ ኣይዉቀስን’ዩ።
መ) ሥልጣን
ቅዱስ ባስልዮስ
- 21 -
ወዲ ሰብ
ሰብ ንስኻ ገዛኢ ኢኻ። ስለምንታይ ደኣ ንስሚዕትካ ከም ባርያ ኴንካ
ትግዛእ፧ ስለምንታይ ነቲ ናትካ ክብሪ ደርቢኻ፡ ባርያ ናይ ሓጢኣት ኴንካ፧
ብምንታይ ምኽንያት ንገዛእ ርእስኻ ናይ ዲያብሎስ እስርቲ ገበርካያ፧ ንስኻ
ገዛኢ ፍጥረታት ክትከዉን ዝተሓጸኻ ኢኻ። ክብሪ ናይ ባህሪኻ ግና ባዕልኻ
ነጸግካዮ……..ስለ’ዚ “ንሰብ ንፍጠር፡ ይግዛእ ከኣ” ኣብ’ቲ ሓይሊ ናይ ስልጣን
ዘለዎ፡ መልክዕ እግዚኣብሔር ኣለዎ።” 19
ረ) ቅድስና
ቅዱስ ባስልዮስ
19
On the human condition 1,8 page 37
- 22 -
ወዲ ሰብ
ማለት’ዩ። ኣዕይንቱ ናብ ምድሪ ኣቢሉ ክጥምት የብሉን። ስለዚ ነንብስኻ
ኣንጻር ባህርኻ ክትከይድ ኣይትሕደጋ። ናብ ሰማያዊ ኣብቲ ክርስቶስ ዘለዎ
እንተ ደኣ ዘይኮይኑ ናብ ምድራዊ ነገር ኣይተድህብ። “ ደጊም ምስ ክርስቶስ
ካብ ሞት ተንሲእኩም ኢኹም” ይብል እቲ ጽሑፍ። “ቀልብኹም ኣብቲ ኣብ
ሰማይ ዘሎ ነገራት ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ
ግበሩ።” (ቆሎ 3:1) ነዚ ኢኻ ተፈጢርካ። እቲ ንስኻ ዝተፈጠርካዮ ነቲ
ዝተወለድካሉ ዕላማ ትምህርቲ’ዩ። ንኣምላኽ ክትርኢ ኢኻ ተወሊድካ እንበር
ህይወትካ ናብ ምድሪ ክትስሓብ ኣይኮነን። ከምቲ ናይ ኣራዊት ደስታ
ክህልወካ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ሰማያዊ ዜግነት ክትረክብ’ዩ። በዚ
ምኽንያት’ዩ ከኣ “ ኣዕይንቲ ለባማት ኣብ ርእሶም’ዩ” (መክ 2:14) ዝበሎ እቲ
ጥበበኛ።” 20
20
On the human condition 2,15 page 61.
21
Irenaeus, Against heresis 5,16,2
- 23 -
ወዲ ሰብ
ወዲ-ሰብ ብመልክዕ እግዚኣብሔር ተፈጢሩ ክንብል ከለና፡ እቲ መልክዕ
ክርስቶስ’ዩ። ሃዋርያ ጳዉሎስ ኣብ መልእኽቱ ከምዚ ይብል “ክርስቶስ ናይቲ
ዘይርኤ ኣምላኽ ምስልን፡ ልዕሊ ኩሉ ፍጥረት ዝኾነ በኹሪ ወዱ
ንእግዚኣብሔር ኢዩ።” (ቆሎ 1፡15) ኣብ ካልእ ጥቕሲ’ዉን ከምዚ ይብል
“ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መንገድን ቀደም ነቦታትና ብነቢያት ገይሩ
ተዛረቦም። ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ግና ንኣና በቲ ወራስ ኩሉ ዝገበሮ
ብእኡ’ዉን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና። ወልድ ናይ ኣምላኽ ክብሪ
ዜንጸባርቕ፡ ንኩሉ ነገር ብሓይሊ ቃሉ ዜቕዉም፡ ብባህሪኡ ፍጹም ኣርኣያ
እግዚኣብሔር ዝኾነ’ዩ።” (ዕብራ 1:1-3)
- 24 -
ወዲ ሰብ
- 25 -
ወዲ ሰብ
ምንዉሑን ምዕማቑን እንታይ ሙኻኑ ምስትዉዓል ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ነታ
ፍልጠት ሕልፍ እትብላ ፍቕሪ ክርስቶስ ድማ ክትፈልጥዋ፣ ክሳብ ኩሉ
ምልኣት ኣምላኽ ከኣ ምእንቲ ክትመልኡ እጽሊ ኣሎኹ።” (ኤፌ 3:14-19)
ኣብዚ ምልኣት ኢሉ ጠቒስዎ ዘሎ ሃዋርያ ጳዉሎስ ንሱ’ዩ ምስሊ ወዲ ሰብ።
ኣብ ካልእ ምዕራፍ ከምዚ ይብል። “ንሱ ከኣ ንገሊኦም ሓዋርያት፣ ንገሊኦም
ነብያት፣ ንገሊኦም ሰበኽቲ ወንጌል፣ ንገሊኦም ናይ ነፍሳት ጓሶት፣ ንገሊኦም
ከኣ መማህራን ገበሮም። እዚ ከኣ እታ ሰብነት ክርስቶስ ዝኾነት
ቤተክርስትያን ምእንቲ ክትህነጽ። እቶም ቅዱሳን ኣብ ኣገልግሎቶም
ፍጹማን ምእንቲ ኪኾኑ። ንሕና ከኣ ኩልና ብእምነት ሓደ ኴንና፡ ንወዲ
ኣምላኽ ፈሊጥና ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ክርስቶስ ምልኣት ብጽሕና ክሳዕ
እንበጽሕ’ዩ።”(ኤፌ 4:11-13)
- 26 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ባስልዮስ ዓቢ
ኦሪጋኖስ
22
On the human condition 1,16 page 43-44.
- 27 -
ወዲ ሰብ
ዘይኮነ እዚ’ዩ። ወዲ-ሰብ ክብሪ መልክዕ እግዚኣብሔር ዝተቐበለሉ ኣብ ናይ
ፈለማ ክፍጠር ከሎ ኢዩ። ብቕዓት ከም ምስሊ እግዚኣብሔር ግና ኣብ
መፈጸምታ’ዩ ተዳልዩሉ ዘሎ። ዕላማ ናይዚ ከኣ ሰብ ባዕሉ ብገዛእ ጻዕሩ
ንኣምላኽ ክመስል ክጽዕር’ዩ። ስለዚ ተኽእሎ ናይ ፍጹምነት ካብ
መጀመርያ ብክብሪ ናይቲ መልክዕ ከም ዝተዋህቦ፡ ንሱ ከኣ ኣብ መወዳእታ
ብግብሪ ብምፍጻም ነቲ ፍጹም “ምስሊ” ብገዛእ ርእሱ ንምርካብ’ዩ።” 23
23
Origen, On first principles 3,6,1
24
On the origin of man, Gregori Nysseni opera supplementum, 10, hadwiga horner, ed,
leiden. E.J. Brill 1972, quoted in ancient Christian commentary on scripture, Old
Testament vol I, p 33
- 28 -
ወዲ ሰብ
ደቒቕ ምስትብሃል ዝሓትት ነገር’ዩ። ከም ምስሊ እግዚኣብሔር ደኣ እንበር
ብምስሊ እግዚኣብሔር ኣይተፈጠርናን። ስለ’ዚ ኢዩ ከኣ ቅዱስ ጎርጎርዮስ
ኣምላኽ ብምስሉ እንተ ደኣ ዝፈጥረካ ነይሩ፡ እቲ ሓለፋ ደኣ ኣበይ ምሃለወ
ነይሩ፧ ክብል ዝሓተት። ስለዚ ምድንጋር መታን ከይገብረልና ክንፈላልዮ
ኣለና።
- 29 -
ወዲ ሰብ
- 30 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ኢራንዮስ
25
St. Ireneaus, Epideixis, 15, MC steenberg, Ireneaus on creation, p 120
- 31 -
ወዲ ሰብ
ዲያብሎስ ኣቐዲሙ ነዚ ስለ ዝፈለጠን በቲ ንኣዳም ዝተዋህቦ ክብሪ ስለ
ዝቐንኤን ንኣዳም ካብቲ ዝነበሮ ጸጋ ንኸዉድቆ፡ ብኩሉ ሜላ ንኽጥቀም
ግድነት’ዩ ነይሩ። እቲ ቐንድን ሓደገኛን ሜልኡን ከኣ ንኣዳም ብሓሶት
ምትላል’ዩ። ብመጀመርያ እዉን ንሱ ሊቀ-መላእኽቲ ነይሩ፡ ዝወደቐ
መልኣኽ ስለ ዝኾነ፡ ናቱ ቶንኮላት ክሳብ እቲ ዝለዓለ ክኸይድ ግድነት’ዩ።
ንሱ ከኣ ንኣዳም ኣታሊሉ ካብ ተኣዛዝነት ናብ ዘይምእዛዝ ምምራሕ’ዩ።
ብኡ ኣቢሉ ከኣ ንኣዳም ናቱ እዙዝን ኣገልጋልን ምግባር’ዩ። ኣብ ተመን
ሓዲሩ ከኣ ንሄዋን ብሓሶት ኣታለላ። ከም’ዚ ከኣ በላ “ኣምላኽ ደኣ ካብታ
ካብኣ ዝበላዕኩምላ መዓልቲ ኩሉ ከም እትፈልጡ፡ ከም ኣምላኽ ከም
እትኾኑ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ኸም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ’ዩ ኣይትብልዑ
ዝበለኩም እንበር ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ። (ዘፍ 3:2-5)
- 32 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ባስሊዮስ ዓቢ
26
On human condition 3,8 p 76
- 33 -
ወዲ ሰብ
፰- ዉድቀት ኣዳም
ኣዳም ሄዋንን ካብ እታ ኦም ዝበልዑላ ግዜ ጀሚሮም፡ ነቲ
እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ዝነገሮም ዉጽኢት ዘይምእዛዝን መቕጻዕትን ኣብ
ልዕሊኦም ወረደ። ብሰንኪ ዘይምእዛዞም ከኣ ሞቱ። “ከመይ መሬት ኢኻ፡
ናብ መሬት ከኣ ክትምለስ ኢኻ።” (ዘፍ 3:19) ኣዳም ክመዉት ከሎ ዕድሚኡ
ትሽዓተ ሚእትን ሰላሳን ዓመት ነበረ።(ዘፍ 5:5)
27
On the incarnation 1,4
- 34 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ባስልዮስ ብዛዕባ’ዚ “ኣዳም ኣብ በሪኽ
ኣዕሚቑ ይዛረብ።
ዝተቐመጠሉ ግዜ ነይሩ። ኣብ ቦታ ዘይኮነ ብነጻ ድልየት’ዩ። እዚ ዓይነት
ህይወት ምስ ተዋህቦ ናብ ገነት ኣቢሉ ይጥምት ነይሩ። በቲ ዝጥምቶ ዝነበረ
ከኣ ኣዝዩ ሕጉስ ነይሩ። ነቲ ሓጎስን ዘለኣለማዊ ህይወትን ዝሃቦ፡ ኣብ
ማእከል ገነት ከም ዝሕጎስ ዝገበሮ። ከም መላእኽቲ ስልጣን ዝሃቦ፡ ህይወቱ
ከም ናይ ሊቀ-መላእኽቲ ዝገበሮ ንኣምላኻዊ ቃል ክሰምዕ ዝፈቐደሉ ፈጣሪኡ
ኣዝዩ የፍቅሮ ነይሩ። ነዚ ኩሉ ነገራት ብኣምላኽ ምስ ተሓዝኣሉ፡ ነቲ ኩሉ
ዝተዋህቦ ጸጋ የስተማቕሮ ነይሩ። ብኩሉ ነገር ከኣ ምሉእ ነይሩ። በዚ
ምዕጋብ ምስ ስኣነ ግና፡ ካብቲ ንመንፈሳዊ ጽባቐ ዝማርኽ ትርኢት ንላዕሊ
ነቲ ንስጋዊ ዓይኒ ዝማርኽ መሪጹ። ካብ መንፈሳዊ ሓጎስ ንላዕሊ ነቲ ንኸብዲ
ዝዕንግል ነገር ኣብሊጹ ርእዩ። ብኡ ንብኡ ከኣ ካብ ገነት ተሶጊጉ። ካብቲ
ቅዱስ ህይወት ተባሪሩ። ብስእነት ዘይኮነ ብሰንኪ ስስዔ ኣብ ኣበሳ ወዲቑ።
ብሰንኪ እቲ ድኹም ነጻ ድልየት፡ ሓጢኣት ገይሩ። በቲ ሓጢኣት ከኣ
ሞይቱ “ዓስቢ ሓጢኣት ሞት’ዩ” (ሮሜ 6:2) ክሳብ ክንድኡ ካብ ህይወት
ረሓቐ፡ ማዕረ ማዕሪኡ ከኣ ናብ ሞት ቀረበ። ኣምላኽ ህይወት’ዩ፡ ህይወት
ምስኣን ከኣ ሞት’ዩ። ብመሰረት እቲ ጽሑፍ “እንሆ እቶም ካባኻ ዝርሕቁ
ኪጠፍኡ ኢዮም፡ ነቶም ካባኻ ዝዓልዉ ዘበሉ ከተጽንቶም ኢኻ።”(መዝ
73:27) ስለዚ ኣዳም ካብ ኣምላኽ ብምርሓቕ ንገዛእ ርእሱ ሞት ኣዳለወ።” 28
28
On the human condition 3,7. P 74-75
- 35 -
ወዲ ሰብ
- 36 -
ወዲ ሰብ
ኣጎስቲኖስ ዘሂጶዉ
29
On the Merits I, 13
- 37 -
ወዲ ሰብ
ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ንትምህርቲ ፐላግዮስ ኣይትቕበሎን’ያ።
ከም መናፍቕ’ያ ከኣ ትፈልጦ። ብኣንጻር ትምህርቲ ፐላግዮስ ከኣ ኣጎስቲኖስ
ዝተፈለየ ርድኢት ሒዙ መጺኡ። ከምዚ ከኣ ይብል “ወዲ ሰብ ብፍጹም
ሓጢኣተኛ፡ ጽቡቕ ነገር ክገብር ክእለት ዘይብሉ’ዩ” ይብል። ልክዕ ከም ናይ
ፐላግዮስ ናይ ንትምህርቲ ኣጎስቲኖስ እዉን ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ
ተቋወሞ’ያ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ ካልኦት ትምህርታት ኣጎስቲኖስ ከም ድሕነት
ብእምነት ጥራይ፡ መንጽሔ-እሳት (purgatory): ኣምላኽ ጨካን ፈራዲ’ዩ
ዝብልን ካልኦት ብዙሓት ትምህርታትን ብናይ ምብራቕ ኣብያተ
ክርስትያናት ተቐባልነት የብሉን።
30
Homily 10 on Romans
- 38 -
ወዲ ሰብ
ጽሑፋቱ ናብ ቋንቋ ጽርኢ (ግሪኽ) ኣይተተርጎሙን። ስለዚ ብንጹር ናይ
ቋንቋ ጽርኢ ኣፍልጦ ሕጽረት ነይርዎ። ጽሑፋቱ እዉን ኣብ ናይ ምብራቕ
ኣብያተ-ክርስትያናት ፍጹም ጽልዋ ኣይነበሮምን። ኣንጻር ፐላግዮስ
ንምክርኻር ዘምጽኦ መርትዖ ሓደ፡ ኣብ (ሮሜ 5:12) ዘሎ ቃል ሃዋርያ
ጳዉሎስ’ዩ። ነዚ ቃል ካብ ጽርኢ ናብ ላቲን ክትርጉሞ ከሎ ብጌጋ ተርጊምዎ
ይብሉ ብዙሓት ሊቃዉንቲ። እዚ ከኣ ካብ ቋንቋ ጽርኢ ኣድቂቕካ ካብ
ዘይምፍላጥ ዝመጸ ሽግር’ዩ። እቲ ጥቕሲ “ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ
ዓለም ኣተወ።(eph hop antes hemarton)”(ሮሜ 5:12) ዝብል በኹሪ ጽሑፍ
ጽርኢ፡ ናብ ላቲን ክቕየር ከሎ ግና “ በቲ ሓደ ሰብኣይ ሓጢኣት ናብ ዓለም
ኣተወ። (quo omnes peccaerunt)” ዝብል ትርጉም ይህቦ ኣጎስቲኖስ።
- 39 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ኣትናቴዎስ
ቅዱስ ቄርሎስ
ቅዱስ ቄርሎስ
31
Commentary on Romans PG 74, 788-789
32
St. Cyril of Alexandria, explanation of the letter to the Romans, migne, PG 74, col
788-789 in Romans by Gerald Lewis Bray, Thomas C. Oden pp 142-143
- 40 -
ወዲ ሰብ
ካብ ናይ ቅዱስ ቄርሎስ ጽሑፍ ንርድኦ ነገር እንተ ደኣ ኣልዩ። ብሰንኪ
እቲ ቀዳማይ ፍጥረት ኣዳም ባህሪ ደቂ-ሰባት ከም ዝተበላሸወ’ዩ። እቶም
ካብኡ ቀጺሎም ዝመጹ ወለዶ ኣዳም ግና ነቲ ዝተበላሸወ ባህሪ ሒዞም ደኣ
መጹ እንበር፡ ሓጢኣተኛታት ኮይኖም ይዉለዱ ዝብል ትምህርቲ የብልናን።
ምኽንያቱ ሓጢኣት ብናትካ ምርጫን ስራሕን ተምጽኦ ደኣ እንበር ከም
ትዕድልቲ ክትዉልድ ከለኻ ዝወሃበካ ኣይኮነን። ሃዋርያ ጳዉሎስ፡ ብዛዕባ ነቲ
ኣብ ዉሽጡ ኮይኑ ናብ ሓጢኣት ዝመርሖ ባህሪ ክዛረብ ከምዚ ይብል።
“ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ! ካብ’ዚ ናብ ሞት ዚወስደኒ ዘሎ ሰብነት’ሲ መን ኮን
ከድሕነኒ እዩ።” (ሮሜ 7:24) ደጊሙ ንስጋና ብኸምዚ ይገልጾ፣ “ነዚ ናይ
ዉርደት ሰብነትና።”(ፊል 3:21) ኣብ ርእዚ’ዚ ብዛዕባ መድሓኒና ክዛረብ
ብተወሳኺ ብኸምዚ ይገልጾ። “ኣምላኽ ንወዱ ብምስሊ ሓጢኣተኛ ስጋን ከም
መስዋእቲ ሓጢኣትን ልኢኹ ነቲ ሓጢኣት ብስጋ ኮነኖ።”(ሮሜ 8:3)
- 41 -
ወዲ ሰብ
መቕጻዕቲ ወሪስና ክንብል ከለና ነዚ’ዩ ዘመልክት። ስለዚ እቶም ካብ ኣዳም
ቀጺልና ዝመጻና፡ ነዚ መቕጻዕቲ ሒዝና ንነብር። ካብ ዘርኢ ኣዳም ዝመጸ
ዘበለ ብጀካ ክርስቶስ ካብ’ዚ ሞት ነጻ ዝኾነ የልቦን። ሞት ክርስቶስ ግና
ብሰንኪ እቲ ካብ መቕጻዕቲ ኣዳም ዝወረሶ ሞት ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ኣዳም
ዝነበረ ሞት ክቐትል’ዩ ሞይቱ። “ነዚ ህዝቢ እዚ ካብ ሲኦል ኮነ ካብ ሓይሊ
ሞት ከድሕኖም እየ። ኦ ሞት መቕዘፍትኻ ኣበይ ኣሎ፧ ንስኻ’ኸ ሲኦል፡
ጥፍኣትካ ኣበይ ኣሎ፧ (ሆሴእ 13:14) ክርስቶስ እዉን ከምዚ ይብል “ወዲ-ሰብ
ኬገልግልን ህይወቱ በጃ ብዙሓት ኪህብን እንበር ኬገልግልዎ ኣይመጸን።”
(ማቴ 20:28 ማር 10:45) ሃዋርያ ጳዉሎስ እዉን ከምዚ ይብል “ኣምላኽ ሓደ
እዩ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ ሓደ እዩ፡ ንሱ
ኸኣ እቲ ሰብ ዝኾነ ክርስቶስ ኢየሱስ እዩ። ንሱ ኣብ ክንዲ ኹሉ ሰብ ገዛእ
ርእሱ በጃ ኣሕሊፉ ሃበ፡ እዚ ኸኣ ጊዚኡ ምስ በጽሔ፡ ኣምላኽ ኩሉ ኪድሕን
ከም ዝድሊ ምስክር እዩ።” (1ይ ጢሞ 4:15)
- 42 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ኢራንዮስ
33
St. Irenaeus, adver sus haereses, III,102
- 44 -
ወዲ ሰብ
ሃዋርያ ጳዉሎስ ከምዚ ይብል “ምልኣት ዘመን ምስ መጸ ግና፡ ነቶም
ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ፡ ተሻዪጡ ምእንቲ ኼውጽኦም፡ ንሕናውን ውልድነት
ምእንቲ ኽንረክብሲ፡ ኣምላኽ ነዚ ኻብ ሰበይቲ እተወልደ ትሕቲ ሕጊውን
ዝዀነ ወዱ ለኣኾ።” (ገላ 4:4) እቲ ቅድሚ ዘመናት ዝነበረ ንዓለም እዉን
ዝፈጠረ ቃል ምስ ደቂ ሰባት ተዋሃደ። “ቃል ስጋ ኮነ” (ዮሃ 1:1) እቲ
ዝተሰገወ ቃል ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ኮይኑ ተገልጸ። ኣገዳስነትን
ዕላማን ምህላዉ ወዲ-ሰብ ብተሰጋዉነት ኣቢሉ ይግለጽን ይበርህን። ካብ
ሰማያት ንወዲ-ሰብ ከድሕን ወረደ፡ ደቂ ሰባት ከኣ ንዘለኣለም ምስ
እግዚኣብሔር ተወሃሃዱ፡ እቲ ሓድሽ ዘመን ከኣ ተጀመረ። ስለዚ ኢና ከኣ
ንሕና ዓመተ-ምሕረት እንዳ በልና ንቖጽር። ብተሰጋዉነት ምግላጽ ናይ
ክርስቶስ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ኣብ ባህሪ ደቂ ሰባት ሓድሽ ምዕራፍ
ንምግላጽ ኢዩ ነይሩ።“እቲ ቀዳማይ ሰብ ካብ መሬት ስለ ዝተፈጥረ መሬታዊ
እዩ። እቲ ካልኣይ ሰብ ግና ካብ ሰማይ ኢዩ።”(1ይ ቆሮ 15:47)
34
St. Gregory of Nazianzus, Epist, cl, ad, cledonium, MG. XXXVII C. 118-181
- 45 -
ወዲ ሰብ
ንነግረኩም ኣሎና። ህይወት ተገሊጻ ኢያ፡ ንሕና ከኣ ርኢናያ ኢና፡
ንምስክር እዉን ኣሎና” (1ይ ዮሃ 1:1-2)
ለ) ብድንግልና ልደት
- 46 -
ወዲ ሰብ
ፍጹም ኣምላኽ ኢዩ፡ ንሳ ብድንግልናኣ ከላ ወሊዳቶ ኢያ’ሞ ናይ ምውላዳ
ሓይሊ ክንገር ዘይክኣል ኣደናቒ ኢዩ፡ ስለዚ ቅድስት ድንግል ለምንልና።” 35
ስለዚ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ብድንግልና ምዉላዱ ሓደ ዓቢ
ምስጢር’ዩ ።
ቅዱስ ኣግናጥዮስ
ኤጲፋንዮስ ዘሰላሚስ
- 47 -
ወዲ ሰብ
ኣምላኽ እኳ እንተ ኾነ፡ ብዘይ ፍቓድን ድልየት ደቂ-ሰባት ኣብ ድሕነቶም
ኣይሰርሕን’ዩ። ድንግል ማርያም ንሕቶ እግዚኣብሔር ብትሕትናን ምሉእ
ድልየትን ተቐበለቶ። ነቲ መልኣኽ ከኣ “ከምቲ ዝበልካኒ ይኹነለይ” በለቶ።
ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ክዉለድ ከሎ ተምሳል ናይታ ሓዳስ
ቤተክርስትያን ኢዩ። ምኽንያቱ ድንግልና ሰማያዊ ሕጊ’ዩ። መርዓ ግና
ኣብ’ዚ ምድሪ ጥራይ ዝፍጸም፡ ሕጊ ተጻመድቲ’ዩ። ደቂ ሰባት ኣብዚ ምድሪ
ዝምርዓዉሉ ምኽንያት፡ ካብቶም ብዙሓት መንፈሳዉያን ምኽንያታት ሓደ፡
ኣብ’ዚ ምድሪ ንዕዖም ዝትክእ ሓድጊ ዉላድ ምግዳፍ ኢዩ። ኣብ ሰማያት
ግና ምትኽኻእ ዝበሃል የለን። ከም መላእኽቲ ኮይና ደኣ ኢና ንነብር
እንበር፡ ኣብኡ ምትእትታዉ የለን። ስለዚ መርዓ ኣብ ሰማያት ኣድላይነት
የብሉን። ኩሉ ሰብ ብድንግልና ከም መላእኽቲ ኮይኑ ይነበር። ስለዚ
ድንግልና ናይቶም ሰማያዉያን ፍጥረታት ህይወት’ዩ።
- 48 -
ወዲ ሰብ
- 49 -
ወዲ ሰብ
ቅዱስ ኣትናቴዎስ
39
The incarnation of Word, chapter 24
40
The incarnation of Word, chapter 25
- 50 -
ወዲ ሰብ
ዝኾነ መስቀል ክስቀል ነይርዎ። ኣብ’ቲ መስቀል ከኣ ደሙ ክፈስስ ግድነት
ኢዩ። ምኽንያቱ ሃዋርያ ጳዉሎስ ከምዚ ይብል “ብዘይ ምፍሳስ ደም’ዉን
ሕድገት ሓጢኣት የልቦን።”(ዕብራ 9:22) ስለዚ እቲ ኣብ መስቀል ዝፈሰሰ
ናይ ክርስቶስ ደም ነቲ ብመርገም ዝኣክል ካብ ኣምላኹ ተፈልዩ ዝነበረ
ኣዳም ናብ ፍጹም ቅድስናን ድሕነትን ክመልሶ ምሉእ ዓቕምን ሓይልን
ስልጣንን ነይርዎ። “ብእኡ፡ ማለት ብደሙ ድሕነት፣ ከምቲ ሃብቲ ጸጋኡ ከኣ
ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና።”(ኤፌ 1፡7) ቀጺሉ ከምዚ ይብል እቲ ሃዋርያ
“ብእኡ ድሕነት፡ ማለት ሕድገት ሓጢኣት ኣሎና።”(ቆላ 1:14) ብጀካ ብደም
ኢየሱስ ክርስቶስ ብካልእ መስዋእቲ ደቂ ሰባት ካብ ኣምላኽ ይቕሬታን
ድሕነት ክንረኽበሉ እንኽእል ካልእ መንገዲን ሜላን ኣይነበረን። “ንሱ
ምእንቲ ሓጢኣትና በጃ ኾነ፡ ምእንቲ ሓጢኣት ኩሉ ዓለም ከኣ እንበር
ምእንቲ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኮነን።”(1ይ ዮሃ 2:2)
- 51 -
ወዲ ሰብ
ዘየንጽሖ፧”(ዕብ 9:14) ካብቲ ጽልዋ ሓጢኣት ብጸጋ፣ ንስሓ፣ ቅዱስ ቁርባን፣
ጾም፣ ጸሎትን ምስጋናን ጌርና ከም ነምልጥ ገይሩና። ብደሙ ገይሩ ከኣ
ቀደሰና “ኢየሱስ ከኣ ንሕዝቢ ብደሙ ምእንቲ ኪቕድስ ኣብ ወፃኢ እታ
ከተማ ተሳቐየ”( ዕብራ 13:12) ብተመሳሳሊ ከምዚ ይብል “ኢየሱስ ክርስቶስ
ብፍቓድ ኣምላኽ ክፍጽም ንሰብነቱ ሓንሳእን ንሓዋሩን ስለ ዝሰዉዔ
ተቐዲስና ኢና…………እዚ ኸኣ ነቶም ዚቕደሱ ብሓንቲ መሥዋዕቲ
ንዘለኣለም ፍጹማን ስለ ዝገበሮም ኢዩ።”(ዕብራ 10:10,14) እዚ ጥቕሲ’ዚ
ክርስቶስ ሓንሳእ ስለ ዝተሰቐለን ነቲ ዕዳ ሞት ስለ ዝኸፈሎን ሓጢኣት የሎን
ኣየስምዕን። እንታይ ደኣ ነቲ ብጥምቀትን ቅብኣት ሜሮንን ኣቢልና ንረኽቦ
ሓድሽ ዉልድነትን ህያብ መንፈስ ቅዱስን ኢዩ ዘመልክት። በዚ ጥምቀት
ኣቢልና ምስ ክርስቶስ ንመዉትን ንትስእን። ስለዚ እዚ ቅድስና ካብቲ
ዝተጠመቕናሉ ግዜ ይጅምር፡ ነቲ ቅድስና ዓቂብና ክንከይድ ግና፡ ናትና
ገድሊ የድሊ። ኣብ’ቲ እንገብሮ ገድሊ ከኣ ጸጋ ኣምላኽ ይድግፈናን
ይመርሓናን። “እቲ ምድሓን ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ንኹሉ ሰብ ተገሊጹ
ኢዩ። እዚ ንኽሕደትን ንዓለማዊ ትምኒትን ሓዲግና ኣብዚ ዓለም እዚ ገዛእ
ርእስና ብምግታእ ብጽድቅን ብመንፈሳዉነትን ክነብር ይምህረና። ከምዚ
ኢልና ነቲ ብሩኽ ተስፋን ናይቲ ዕዙዝ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ
ክርስቶስ ምግላጽን ክብርን ንጽበ ኣሎና። ንሱ ካብ ሓጢኣት ዘበለ ሓራ
ምእንቲ ኼዉጽኣና ንሠናይ ግብሪ ዚቐንኡን ንእኡ ዚኾንዎን ሕዝቢ
ምእንቲ ኼንጽሕ ገዛእ ርእሱ በጃና ኣሕለፈ።”(ቲቶ 2:11-14)
- 52 -
ወዲ ሰብ
- 53 -
ወዲ ሰብ
ኣቦታት ቤተክርስትያን ብዛዕባ ጥምቀት ህጻናት ከምዚ ይብሉ። “ቅድም
ነቶም ህጻናት ተጠምቑ……… እቶም ክዛረቡ ዘይክእሉ ግና ወለዶም ወይ
ኣባልጌኦም ኣብ ክንድኦም ኮይኖም ብዛዕባ እምነቶም ይዛረቡ።” (ቅዱስ
ሂፖሊትዩስ (Hippolytus)) ከምኡ እዉን “ኩሎም እቶም ኣብ እግዚኣብሔር
ዳግማይ ዝተወልዱ ናኣሽቱ ህጻናት….. ዓበይትን።” ይብል ቅዱስ ኢራንዮስ፡
ብተወሳኺ ኸኣ “ብዙሓት ኣወዳት፡ ኣዋልድ ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም
ኣርድእቲ ክርስቶስ ዝኾኑ።” ይብል ቅዱስ ጃስቲን ሰማእት።
- 54 -
ወዲ ሰብ
ተቐበርኩም ብግብሪ እቲ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣምላኽ ድማ ምስኡ
ተንሳእኩም።” (ቆሎ 2:11-12) ፖፕ ሺኖዳ ነዚ ጥቕሲ ከብርህዎ ከለዉ ከምዚ
ይብሉ “ከምቲ ፍሉጥ ከኣ ኣብ ግዝረት ካብ ኣካላትና ሓደ ኣካል ይቁረጽ
እሞ ይመዉት፡ ነቲ ኣብ ጥምቀት ዝፍጸም ምሉእ ሞት ዘመልክት ኢዩ።
ልክዕ ከምቲ ግዝረት ነባሪ ምልክት ዝኾነት ጥምቀት እዉን ከምኡ’ያ።”
- 55 -
ወዲ ሰብ
- 57 -