You are on page 1of 4

ሰሙን 2- ቅዱስ ዮሐንስ

ዕላማ:-

*ናይ ዝተወሰኑ ቅዱሳን ሽማት ምምሃር

ዘይርሳዕ ጥቅሲ:-

“አብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን ንሳቶም ክቡራን ኢዮም” (መዝ. 16፥3)

ተወሳኺ ሓበሬታ:-

መእተዊ :-

*ናይ ዝሓለፈ ትምህርቲ ምክላስ

*ንተመሃሮ ነርእዮ ናይ ቅዱሳን ምስሊ ምዝግጃው

*እንታይ ከምነኽብር ዘለና ንተመሃሮ ምሕታት

*ዮሐንስ መን እዩ? ብዓድና አብ ዓመት ክንደይ አዋርሕ አለዉ?

ናይ ትምህርቲ ንድፊ:-

ምስ ሓዱሽ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ ነሓስብ። ቅዱሳን መን እዮም? ቅዱሳን ዝበሃሉ ብዙሕ ፅቡቕ ነገራት ዝገበሩን ኢየሱስ
ንኽንገብሮም ዝአዘዘና ዝፈፀሙ እዮም። ብህይወት እናሃለዉ ኹሉ ፅቡቅ ስራሕ ዝሰርሑ ሰባት ቅዱሳን ይበሃሉ። ምስ
ዓረፉ ድማ አብ ገነት ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ንኽኾኑ ይኸዱ። ሕዚ ድማ አብ ገነት ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ አለዉ።
ንክርስቶስ ኩሉ ግዜ ስለዝሪእዎ ድማ አብኡ ሕጉሳት ይኾኑ። ቅዱሳን ሕዚ እውን ምሳና መሓዙትና ክኾኑ ይኸእሉ
እዮም። ነንሕድሕድና ካብ ቅዱሳን መሓዙት ንኽኾኑና ምምራፅ ንኽእል ኢና። ሕዚ ካብ እዞም ቅዱሳን ዝተወሰኑ ንርአ:-

አብቲ ናይቲ ቅዱስ ምስሊ ዘሎ ግልፂ ዝኾኑ ነገራት ርእይቶ ሃቡ። ለምሳሌ:- አብ ናይ st.mina 2 ግመላት አለዉ ወይም
አብ ናይ st.demiana ምስሊ ካልኦት 40 ደናግል አለዋ …ወዘተ

ሕዚ ሓደ ቅዱስ ንዓና ዓርኪ ንኽኾነና ንምረፅ። አብቲ ክፍሊ እንዳዘወርካ ነቶም ተመሃሮ ክመርፁ ሕተቶም። ናይቲ
ዝመረፅዎ ቅዱስ ምስሊ ናብ ክዳኑ ለጥፈሉ። ኸምኡ ድማ ነንሕድሕዶም ተመሃሮ ናይ ዝመረፅዎ ቅዱስ ለጥፈሎም።

መጠቃለሊ:-

ፅቡቕ ሥራሕ ዘለና ከምኡ እውን ንእግዚአብሔር ንፈቱ እንድሕር ኾይና ንእግዚአብሔር ዘሕጉስ ፅቡቕ ነገር ንገብር
ኢና።

እግዚአብሔር ብጣዕሚ ይፈትወና ከምቶም ቅዱሳን ንኽንኾን ድማ ይፈቱ

ሮቓሒ ረቂቅ:-
*ዕንበባ ወይም ናይ ዕንበባ ምስሊ ሃብዎም እሞ ምስቲ ቅዱስ ዘለዎ ግንኙነት ሕተትዎም(ቀይሕ ናይ ሰማእትነት፣ ፃዕዳ
ናይ ልቢ ንፅህና፣ ጠንካራ ፍረ ናይ ፍፁም እምነት)።

*ነንሕድሕዶም ናይ ዝመረፅዎ ቅዱስ ምስሊ ከም መሓዛ ክኾኖም ናብ ገዝኡ ክወስድዎ ሃብዎም

ሰሙን 3- መስቀል

ዕላማ :-

*ብዛዕባ እቲ ባዓል አመፃፅእኡን ትርጉሙን ምምሃር

ዘይርሳዕ ጥቅሲ:-

“መስቀል ተሸኪምኻ ንዓ ስዓበኒ” (ማር. 10፥21)

ተወሳኺ ሓበሬታ :-

መእተዊ :-

*ናይ ዝሓለፈ ትምህርቲ ምክላስ

*ናይ መስቀል ምልክት ምስራሕ ዝኽእል እተሃልዩ ሕተቶም

*ምስራሕ ዘይኽእሉ እንተኾይኖም አብቲ ክፍሊ ንዘለዉ ነንሕድሕዶም መሃሮም

ናይ ትምህርቲ ንድፊ:-

መስቀል ኹሉ ግዜ በብዓመቱ መስከረም 17 ተኸቢሩ ይበዓል። ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክቡር መስቀል ምርካቡ
ንምስትዋስ ነኽብሮ በዓል እዩ። አይሁድ ነዞም ተአምራት ምስፈለጡ ብጣዕሚ ተናደዱ። በዚ ምኽንያት እቲ መስቀል
ንኽቅበር ንኹሉ ናይቲ ዓዲ ነበርቲ ጋሓፎም አብ ልዕሊ’ቲ መስቀል ንኽጉሕፉ አዘዙ።

ዓብዪ ናይ ጋሓፍ እኽብካብ እስካብ ዝኾን ንተኸታታሊ 200 ዓመታት ኹሉ ጋሓፎም አብ ኢየሱስ መቃብር ጋሓፍዎ ።
ነገር ግን ናይ ንጉስ ቆስጠንጢኖስ አዶ ቅድስቲ ኢሌኒ ነቲ መስቀል ትፈትዎ ነበረት። ምኽንያቱ ንወዳ ናብ ዘሸነፈሉ
ጦርነት ክኸድ ከሎ ተሪእዎ ነይሩ እዩሞ።

ነቲ መስቀል ኽትእልሽ ናብ ኢየሩሳሌም ኸደት። አበይ ኸምዝርከብ ንምፍላጥ ንብዙሕ ሰባት ሓተተት ብመወዳእታ ሓደ
ሽማግለ ሰብ ረኸበት። ንሱ ድማ አብቲ ናይ ጋሓፍ እኽብካብ ከም ዝተቀበረ ሓበራ። ንሳ ድማ ነቶም ወታደራታ እቲ ቦታ
ክፀርግዎ አዘዘት። እዚ ድማ ነቲ መስቀል ንምርካብ ቀላል ገበሮ። አብቲ ቦታ ድማ ብሽም መስቀል ቤተ ክርስቲያን
አህነፀት።
*ስለ ዝ ታሪክ ምስ አምሃርካ ነቶም ተማሃሮ ናይቲ ንጉሥን ናይ አዲኡ ሽም ሕተቶም

*እቲ ሽምን መዓልቲን ኸምዘስታውስዎ ንምግጋፅ እቲ ሕቶ ድገመሎም

*ምስትዋሶም ንምርአይ እቲ ናይ መፅሓፍ ቅዱስ ጥቅሲ ሕተቶም

መጠቃለሊ :-

ኩላትና ንመስቀል ንፈትዎ ከምኡ እውን ካብ እግዚአብሔር ሓገዝ አብ ዝደለናዮ ግዜ ምልክት መስቀል ምስራሕ
ከምዝግባእ

መስቀል ብርዐ ከምዝህበናን ብመስቀል አሚና ንማንም ኸምዘይንፈርሕ

ሮቃሒ ረቂቅ :-

ናይ መስቀል ምስሊ ሃቦም ንሶም ድማ ብዝመረፅዎ ቀለም ይቀልምዎ

እቲ ናይ መስቀል ምስሊ ቀሪፅና አብቲ ዝቀለምዎ ወረቀት ለጥፈሎም

እቲ ናይ መፅሓፍ ቅዱስ ጥቅሲ አብቲ ትሕቲ መስቀል ፀሓፈሎም

ነቲ መስቀል ዝተለጠፈሎም ወረቀት የመልክዕዎ

አብ ታሕቲ ናይቲ ተመሃራይ ሽም ፀሓፈሉ

ሰሙን 4- አፈጣጥራ ዓለም

ዕላማ :-

አፈጣጥራ ዓለም ንተመሃሮ ምምሃር

ዘይርሳዕ ጥቅሲ:-

“እግዚአብሔር ከአ ዝገበሮ ኹሉ ረአየ ዕንሆ ብትዙሕ ፅቡቕ ኮነ”(ዘፍ.1፥31)

ተወሳኺ ሓበሬታ:-

*ዘፍጥረት ምዕራፍ 1

መእተዊ:-

*ናይ ዝሓለፈ ትምህርቲ ምክላስ


*ናይ እዞም ዝስዕቡ ነገራት ምስሊ ምዝግጃው -ፀሓይ፣ ወርሒ፣ ከዋኽውቲ፣ እፅዋት፣ እንስሳት፣ አዕወፍን ዓሳ …ወዘተ

*አብ ከይዲ ትምህርቲ ዝተጠቀሱ ምስልታት ንምስቃል ወይም ንምልጣፍ ምዝግጃው

*ንዓለም ዝፈጠረ መን ከምዝኾነ ንተመሃሮ ሕተቶም

ናይ ትምህርቲ ንድፊ:-

ንተመሃሮ ዓይኖም ንኽሽፍኑ እዝኖም እውን ንኽሽፍኑ ሕተቶም። ድሕሪኡ ኹሉ ነገር ፀልማትን ፀጥ ዝበለ ምስ ኾነ

ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ቅድሚ ዓለም ምፍጣራ ኹሉ ነገር ፀልማትን ፀጥ ዝበለ ነይሩ። ዋላ ሰብ … ዓዕዋፍ … እንስሳ
አይነበረን። ካብኡ ድማ እግዚአብሔር ተዛረበ ፡ “ብርሃን ይኹን … መዓልቲ ይኹን … ክተብርህ ፀሓይ ትኹን” በለ
ብርሃን ድማ ኾነ። ኸመይ ብርሃን ፅቡቕ እዩ? ከምኡ እውን ወርሒን ከዋክብቲን አብ ፀልማት ከብርሃ ፈጠረን። እዚ
እውን ፅቡቅ ነበረ።

ቀፂሉም እግዚአብሔር “ሰማይ ምድሪ ባሕሪ ይኹን” በለ ነገር ግን ዓለም ባዶን ፀጥ ዝበለ ነበር። ስለዚ ድማ ብጣዕሚ
ፅቡቕ ፍረ ዘለዎም አትክልቲን ፍራምረን ንምብላዕ ዕንበባታት ድማ ንፅቡቅ ጨና ንኽኾኑ እፅዋትን አትክልቲን ፈጠረ።

ቀፂሉ እግዚአብሔር ዓሳ አብ ማይ ንኽሕምሱ አዕዋፍ ድማ አብ ሰማይ ንኽበራ ፈጠረ። ሕዚ እቲ ፀጥ ምባሉ ቀረየ። እቲ


ከልቢ “ ”፣ እታ ድሙ “ ”፣ እታ አንጭዋ “ ”፣ እታ ላሕሚ “ ” ወዘተ ይብል ነበረ። ዋላ ብጣዕሚ ዋዕዋዕታ ተበዝሐ
እግዚአብሔር ግን ብዝፈጠሮ ፍጥረት ሕጉስ ነበረ። ከም እውን እቲ ዝፈጠሮ ኩሉ ብርግፅ ፅቡቕ እዩ በለ።

መጠቃለሊ:-

*እግዚአብሔር አብ ዓለም ዘሎ ኹሉ ፈጠረ። ኹሉ ዝፈጠሮ ፍጥረት ድማ ብጣዕሚ ፅቡቕ እዩ።

ሮቃሒ ረቂቅ:-

*ናይ ብዙሕ እንስሳ፣ እፅዋት፣ ዓሳ፣ ፀሓይን ወርሒን ምስሊ ምዝግጃው

*ቻርት አዘጋጂካ እቲ ዘዘጋጀኻሎም ምስሊ ንክልጠፍ ግበር

*አብቲ ቻርት ዘለዉ ምስሊ ኩሎም መን ከም ዝፈጠሮም ሕተቶም

You might also like