You are on page 1of 6

ደርሆ ንምርባሕ ዝተሓንጸጸ ፕሮጀክት ፕሮፖዛል

ሽም ትካል፡ ዛይድ ደርሆ ምርባሕ

ኣድራሻ ፡ ድብላ

ቑጽሪ ስልኪ፡0953

ዝርዝር መስረቲ ኣባላት

1. ዛይድ ገ/ማርያም

ራእይ፡
ብውሑዳት ደርሁት፣ኣብ ፀቢብ ቦታን ብባህላዊ መንገዲ ዝተጀመረ ስራሕ ኣዕቢየ ናብ ዕዳጋ ምቕራብ ናብ
ዘመናዊ፣ ሰፈር ሃልይወን ብበዝሕን ፅርየትን እናቕረብኩ ናይ ስጋን እንቁላሊሕን ሕፅረት ኣቕርቦት
ማሕበረሰብና ንምምላእን ከምኡ እውን ጨቓዊታት እናጫጫሕኹ ኣዕብዮም ንዝሸጡ ስራሕ ዘይብሎም
መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን እቲ ከባቢ ምቕራብን።

ከም ጓል ኣንስተይቲ መጠን ኣብ ፅቡቕ ብርኪ በፂሐ ንኻልኦት ከማይ ዝበላ ኣብነት ኮይነ ከምህርን ካብ
ድክነት ክወፃ ናይ ባዕለይ ሚና ክፃወትን።

ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም

1. መእተዊ
1
ከተማና ከተማ ዓዲግራት ካብተን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለውወን ከተማታት ትግራይ ካብ መቐለ ብምቅጻል ኣብ
ቅድሚት ትስራዕ እንትትከውን ንዩኒቨርሰቲ ዓዲግራት ሓዊሱ ንብዝሕ ዝበሉ ትካላት ሓቑፋ ዘላን ማእከል ዞባ
ምብራቕ ትግራይን ኮይና ተገልግለ ከተማ እያ፡፡

እዚ ድማ ንቤት ቁርሲ፣ ቤት ምግቢ፣ ሆቴላት፣ ንነበርቲ ብፍላይ ኣብ ጊዜ ብዓላት ዝውዕል ስፍሕ ዝበለ ቐረብ
ደርሆን እንቁላሊሕን ይሓትት፡፡

ብፍላይ ድማ ምስ ሎሚ ዘሎ ናህሪ ዕዳጋ ንታሕተዋይን ማእኸላይን ናይ ማሕበረሰብና ክፍሊ ብዝተመጣጠነ


ዋጋ ጠለብ ንምምላእ ሰፊሕ ስርሕ የድሊ። ይኹን እምበር ኣብ ከተማና ዘሎ ከቢድ ዝኾነ ሕጽረትን ፅሬትን
ደርሁን ውፅኢት ደርሁን፣ እኹልን ብዝተመጣጠነ ዋጋ ዘከፋፍሉ ኣቕረብቲ ትካላት ብዘይምህላዎም ነዚ
ኩለመዳያዊ ረብሓ በቲ ዝድለ ናህሪ ንከይሳለጥ ዕንቕፋት ኮይኑ ይርከብ፡፡ ስለዘኾነ ነዚ ጸገም ብምርዳእ፣ ኣብ
ጓጓና ዘሎ ሃፍተ ገነት ብምንጻርን ብምምሕዳር ጣብያናን መንግስትናን ደቂ ኣንስትዮ ንምትብባዕ ተባሂሉ
ዝተፈጠረልና ምችው ባይታ ብምጥቃምን ነቲ ከባቢ ንህዝብና ብዝረብሕ ኣገባብ ብዘላቕነት እናርባሕኹ ናብ
ዝዓበየ ኢንቨስትመንት ዘሰጋግር ቑጠባዊ ዓቕሚ ምፍጣርን እዩ።

2. ጽሟቕ ሓሳብ

ይብራህን ገብረኪዳንን ብዝብል ዝተሰመዬ ማሕበር ዝተወደብና መናእሰያት ኣብ ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም
ዝወጠናዮ ማሕበር ብዋናነት ኣብ ከባቢ 01 ዝርከብ ዕቛር ማይ ተፈጥሯዊ ፍሰቱ ብዘይጻባእን ንቡር ሃዋህው
አቲ ከባቢ ብዘይቅይርን ውሕሉል ኣገባብ ማይ ኣውጽኢካ ብቦጥ ጌርካ ብምሻጥ ንኣባላቱ ዕድል ሰራሕ
ንምፍጣርን ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ከተማና እናዓምበበ ዝመጽእ ዘሎ ኩለመዳያዊ ልምዓት ኣብ ምሰላጥ
እጃምና ንምውፋይን ዓሊሙ ዝተጣየሸ እዩ፡፡

ከምቲ ዝፍለጥ ከተማና ከተማ ዓዲግራት ማእከል ዞባ ምብራቕ ትግራይ ስለዝኾነት፣ ካብቶም ዝበዝሐ ህዝቢ
ዘለወን ከተማታት ትግራይ ሓንቲ ብምዃና፣ ዩኒቨርሰቲ ዓዲግራትን ካለኦት ትካላትን ዝደኾኑላ ብምዃናን ክብ
ዝበለ ጠለብ ልምዓት ህዝብናን ስዒቡ ኣብ ከተማና ስፍሕ ዝበለ ቐረብ ማይ ዝሓቱ ውዕውዕ ቁጠባዊ
ምንቅስቃሳት ብሰፊሑ ይካየዱ ኣለው፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ከተማና ዘሎ ከቢድ ዝኾነ ሕጽረት ማይን
ብተመጣጣኒ ዋጋ ዘክፋፍሉ እኹል ኣቕረብቲ ትካላት ብዘይምህላዎምን ነዚ ኩለመዳያዊ ልምዓት በቲ ዝድለ
ናህሪ ንከይሳለጥ ዕንቕፋት ኮይኑዎ ይርከብ፡፡ ስለዘኾነ ማሕበርና ነዚ ጸገም ብምርዳእ፣ ኣብ ጓጓና ዘሎ ዕቑር
ሃፍተ ገነት ብምንጻርን ብምምሕዳር ከተማና መናእሰይ ንምትብባዕ ተባሂሉ ዝተፈጠረልና ምችው ባይታ
ብምጥቃምን ነቲ ከባቢ ንህዝብና ብዝረብሕ ኣገባብ ብዘላቕነት እናልማዕና ንልምዓት ኣባይቲን ሓምለዋይ
ከባቢን ዝውዕል ማይ ውሕሉል ብዝኾነ መገዲ ኣምሪትካ ብቦጥ ብምሻጥ ንማሕበርና ናብ ዝዓበየ
ኢንቨስትመንት ዘሰጋግር ቑጠባዊ ዓቕሚ ምፍጣር፣ ማይ ብተመጣጣኒ ዋጋ ንተገልገልቲ ምቕራብን፤

2
ንግልጋሎት ህንጸትን ልምዓት ሓምለዋይ ከባቢን ብምውዓሉ ዝባኽን ዝነበረ ጽሩይ ዝስተ ማይ ብምቕናስ
ሕጽረት ቐረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ከተማና ምቅላል ቐንዲ ልኡኽቶታቱ ገይሩ ተበጊሱ ኣሎ፡፡

ነዚ ስራሕ ብብቕዓት ንምፍጻም ምእንታን ንክእል ከም ማሕበር ኣገደስቲ ዝበሃሉ ቅድመ ምድላዋትን
ምቕራብ ኣድለይቲ ጠለባትን ጌርና ኢና፡፡ ካብዚኣቶም እቶም ቀንዲ ዝበሃሉ ንምጽራሕ ዝኣክል፡ ዕቑር ዓቕሚ
እቲ ማይ ንምፍላጥ ብበዓል ሙያ መሰረታዊ ጽንዓት ዘካይድና እንትንከውን ዓቕሚ እቲ ሩባ ዋላ እዃ ከከም
ሜ3
ስፍሓትን ጥልቀትን ንኩዕቶ ጉድጓድ ዝፈላለ እንተኮነ ብዋናነት 4 ቻርጅ ናይ ምግባር ዕቑር ዓቅሚ
ሰከንድ
ከምዘለዎን ሜላ ኣመራርታናውን ብምንጻር ንመኩዓቲን መከፋፈሊን ማይ ዝከውን ቦጥውን ኣዳሊና ኢና፡፡

3. ረብሓ እዚ ፕሮጀክት

እዚ ፕሮጀክት ብቐንዱ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ፍልፍል እቶት ብምዃን ናብ ዝለዓለ ኢንቨስትመንት
ከሰጋግር ዘክእል ቁጠባ እንትፈጥር ንመስተ ግልጋሎት ዝውዕል ጽሩይ ማይ ስለ ዘይንጥቀም ጽዕንቶ ሕጽረት
ዝስተ ጽሩይ ማይ ኣብ ምቅላል ዓብይ እጃም ይጻወት፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ከባቢ ጽሩይን ሰሓባይን ኣብ
ልዕሊ ምዃኑ ኣብኡ ዘሎ ኣግራብ ብዝግበረሉ ክንክን ኣብ ሓምለዋይ ልምዓትን ምዕቓብ ሃፍቲ ተፈጥሮን
ኣወንታዊ ግደ ብምጽዋት ንነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ናይ ደህንነት ስግኣት የናግፍ፡፡ ፡፡

4. ክውንነት እቲ ፕሮጀክት

እዚ ፕሮጀክት ፕሮፖዛል ቅድሚ ምሕንጻጽና ውጽኢታዊነትን ክውንነትን እዚ ፕሮጀክት ንምርግጋጽ ዕቑር


ዓቕሚ እቲ ማይ፣ ዘድልየና ሓይሊ ሰብ፣ ነቲ ፕሮጀክት ንምፍጻም ዘድልዩና ናውቲ፣ ምንጻር
ተገልገልትና፣ምንጻር መነሓንሕቲናን ጽንዓት ዕዳጋን ኣካይደና ኢና፡፡ ከም ውጽኢቱ ድማ እዚ ፕሮጀክት ብናትና
ዓቅሚ ክስራሕ ዝክእል ምዃኑ፣ ዓብይ ጠለብን ዕዳጋን ከምዘለዎ ስለዝነጸርና፣ ጥንኩርን ድኹምን ጎንታት
መነሓንሕትና ብንጹር ስለዝፈለጥና፣ ዘለዎ ማሕበረሰባዊ ረብሓ ስለዘተረዳእናን ኣድላይ ቅድመ ምድላው
ስለዝገበርና ክውንነት እቲ ፕሮጀክት ኣረጋጊጽና ኢና፡፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ዓብይ ናይ ስራሕ ተበግሶን ናይ ምልዋጥ
ድሌትን ብዘለና ህርኩታት መናእሰይ ዝተጣየሸ ማሕበር ምዃኑ ውጽኢታዊ ይገብረና፡፡

5. ዕዳጋን ጠለብን
5.1. ጽንዓት ዕዳጋ

3
ብዝገበርናዮ ጽንዓት ዕዳጋ ኣብ ከተማና ይሳለጡ ብዘለው ቁጠባዊ ምንቅስቃሳት ዝተልዓለ ዓብይ ክፍተት
ዕዳጋን ጠለብ ማይን ከምዘሎ ኣረጋጊጽና ኢና፡፡ በቲ ሐዚ ዘሎ ጠለብ ማይ ኣብ መዓልቲ_______ ቦጥ ማይ
ብምምራት ንሕድሕድ ቦጥ ብ_______ብር ዋጋ ንተጠቐምቲ ብምክፍፋል ኣብ መዓልቲ _______ ብር
ንምድንፋዕ ዘክእል ዕዳጋን ዓቅምን ኣሎ፡፡ ብቐጻልነት ዕዳጋና እናግፋሕና ቐረብና እናወሰኽናን ንምካድ ዘክእል
ቅድመ ምድላዋትውን እናወገና ንርከብ፡፡

5.2. ዓማዊልና

ዓማዊልና ብሓፈሻ ንህንጸት ኣባይቲ፣ ንልምዓት ሓምለዋይ ከባቢን ካልኦት ስራሕትን ዝከውን ማይ ዝጠልቡ
ትካላትን ውልቀ ሰባትን እዮም፡፡

6. እንህቦም ግልጋሎታት

ንዓማዊልና ብመጠን ጠለቦም፣ኣብ እዋኑን ብተመጣጣኒ ዋጋን ናብ ዝደለየዎ ቦታ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎታት


ዝውዕል ማይ ብቦጥ ምብጻሕን ምክፍፋልን፡፡

7. ዕድላት፣ ብድሆታትን መፍትሒ ሓሳባትን

ኣብ ከተማ ዓድግራት ዝረአ ዘሎ ኩለመዳዊ ቁጠባዊ ምንቅስቃስ ብዋናነት ማይ ዝጠልብ ምዃኑን ነዚ ክፍተት
ክመልኡ ዝክእሉ ኣቕረብቲ ማይ ዘይምህላዎም፣ ንመስተ ግልጋሎት ዝውዕል ጽሩይ ማይ ዘይንጥቀም ምዃና፣
ንዓና ፍልፍል አዚ ዝድለ ማይ ኮይኑ ዘገልግል ሩባ ብቀረባ ምርካቡን ብተመጣጣኒ ዋጋ ናብ ዕዳጋ ነቐርብ ምዃና
ኣብቲ ዕዳጋ ተነሓናሕቲ ንክንከውን ዘክእሉና ዕደላት እዮም፡፡ ብካልእ ገጽ ሓደሽቲ ጀመርቲ ምስ ምዃና
ተተሓሒዙ ዕዳጋ ሴርካ ንምእታው ቁሩብ ግዜ ክወስደሉ ዝክእል ኣጋጣሚ ክፍጠር ይክእል፡፡ ነዚ ብድሆ
ንምስጋር ብኣግኡ ስራሕና ኣብ ምልላይን ዓማዊል ኣብ ምጥራይን ኣበርቲዕካ ምስራሕ ከምዝግባእ ብምእማን
ነዚ ንምፍጻም ዘክእል ቅድመ ምድላው ጌርና ኢና፡፡

8. መግለጺ፣ ጥንኩርን ድኹምን ጎንታት መነሓንሕትና

ኣብ ዕዳጋ ክገጥመና ዝክእል ንሕንሕን ብድሆታትን ብኣግኡ ፈሊጥና ኣድላይ ቅድመ ምድላው ንምግባር
ብምሕሳብ እንታይነት ኣብዚ ስራሕ ዝተዋፈሩን መነሓንሕቲ ክኾኑ ይክእሉ እዮም ዝበልናዮም ኣቕረብቲ ማይ
ብምንጻር ጥንኩርን ድኩምን ጎንታቶም ንምጽናዕ ፈተነ ጌርና ኢና፡፡ ብዝገበርናዮ ትዕዘብቲ ኣብቲ ዕዳጋ
ምጽንሖምን ዓማዊል ምጥራዮምን ጥንኩር ጎኒ ተነሓንሕትና እንትከውን ንመስተ ግልጋሎት ዝውዕል ጽሩይ
ማይ ዝጥቀሙ ምዃኖምን ብተነጻጻሪ ክብር ብዝበለ ዋጋ (ማለትውን ንሓደ ቦጥ ማይ _______ ብር) ዝሸጡ
ምዃኖም ድኹም ጎኒ ኮይኑ ረኪብናዮ፡፡

4
9. ዕውታት ክንከውን ዝገበሩና ብልጫታት
እዚ ፕሮጀክት ዕውት ንክከውን ስዒቦም ዘለው ቁልፊ ተግባራት ብልጫ ይህቡና እዮም፡፡

 ንመስተ ክውዕል ዝክእል ጽሩይ ማይ ዘይንጥቀም ምዃናን ፍልፍል ማይና ኣብ ቀረባ ዝርከብ ምዃኑ
 ብተመጣጣኒ ዋጋን (ብ_______ብር) ክንዲ ዝደልይዎን ኣብ ዝኾነ እዋን ናብ ዝደለይዎ ቦታ
ምቅራብ
 ምቑርራጽ ግልጋሎት ንከይጋጥመና መሓለውታ ምድላው
 በዝሒ ዓማዊልናን ተበጻሕነትናን ብርኪ ብብርኪ ምዕባይ
 ርውየት ዓማዊልና ኣካል መገምገሚ ውጽኢታዊነት ጌርና ምውሳድን
 ልዑል ተበግሶ ስራሕን ህርኩትነት ኣባላት እቲ ማሕበርን

10. ፍልፍል ፋይናንስን ምሕደራን


ነዚ ስራሕ ንምክያድ ዘድልይ

11. ስራሕ ንምጅማር ዘድልየና ጥቕሉል መበገሲ ካፒታል


 ስራሕ ፍቃድን ተተሓሓዝቲ ሕጋዊ ሰነዳት ንምፍጻም _______ ብር
 መዐደጊ ናውቲ ኩዓቲ _______ ብር
 ማይ መመላለሲ ቦጥ _______ ብር
 ፈላማይ ስራሕና ንምልላይ ________ ብር
 ብጠቐላላ _______ ብር መበገሲ ካፒታል የድልየና፡፡

12. ወርሓዊ ዕቛር ማሕበርን

ማሕበርና ትርኑዕ ቁጠባዊ ዓቕሚ ብምፍጣር ናብ ዝሓሸ ብርኪ ፈጠራ ስራሕን ኢንቨሰትመንትን
ንምስግጋር ብምሕሳብ ካብ ጠቅላላ ወርሓዊ ኣታዊና _______% ዝኣክል ብር በብወርሑ ንምዕቛር
ትልሚ ሒዝና ኣለና፡፡

13.ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎት
5
ተጠቀምቲ ሃፍተ ገነትን ኣካል ማሕበረሰብና ብምዃና ንህዝብና ተረባሒ ኣብ ዝገብሩ ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎታት
ንጡፋት ተሳተፍቲ ምዃንን ኣብ ምርግጋጽ ዕቤት ከተማና እጃምና ምውፋይ ራእይና እዩ፡፡ ነዚ ንምፍጻም ምስ
ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ብምዝርራብ ብናይ በዓልና ወጻኢ ማይ እናስትዮን ንከናኸኖን ልምዓት ሓምለዋይ ቦታ
ክንወሰድን ክነልምዕን ኢና፡፡ ብተወሳኺ አብቲ ማይ ነውጸኣሉ ከባቢ ዘሎ ርሰሓት ብምጽራይን ኣብኡ ዘሎ ኣግራብ
ብምክንኻን ሰሓባይን ተብሃጋይን ከባቢ ብምፍጣር ጽባቐ ከተማና ክብ ንክብል እጃምና ምውፋይን ኣብ ካልኦት
ልምዓታዊ ንጥፈታት ርኡይ ኣሰተዋጽኦ ምግባርን፡፡

You might also like