Professional Documents
Culture Documents
ሪፖርት
መቐለ
ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ካብ ዕለት 26/02/16 ዓ.ም ክሳብ 02/03/16 ዓ.ም ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ
ሓፂር ሪፖርት
1. መእተዊ
ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ተዋፊሩ ተልእኹኡ እናፈፀመ
ዝመፀ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ኮሚሽን ፖሊስ ከም ብሓዱሽ እንትጣየሽ ክልተ ዕማማት ኣለውኻ ተባሂሉ
ብግልፂ ተነጊርዎ ካብ ግንባር ከም ዝመፀ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ሰላም እንተቐፂሉ ኣብ ደጀን ፖሊሳዊ ስራሕቲ
ኩነታት እናኸፈአ እንተኸይዱ ድማ ናብ ግንባር ከም ዝወፍር ፈሊጡ ዝኣተወ ሓይሊ ስለዝነበረ ኣብ ደጀንን
ግንባርን እናተፈራረቐ ልእኽትኡ ዝፍፅመሉ ኩነታት ተፈጢሩ ፀኒሑ እዩ።
ኮይኑ‘ውን ኣብ መደበኛ ፖሊሳዊ ተልእኾ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ኣብ ብርክት ዝበላ ወረዳታት
ስሩዕ ዳህሳስን ሓፀርቲ ትዕዝብቲታትን እናተገበሩ ፀኒሖም እዮም። እቶም ዝተረኸቡ ውፂኢታት ድማ ብሰነድ
መልክዕ እናተዳለዉ ናብ ተጠቃሚ ወይ ፈፃሚ ኣካል እናተልኣኹ ኩሉ ዝመሃሃረሉ ኩነታት እናተፈጠረ ክኸይድ
ኣብ ምግባር‘ውን ፃዕርታት ተገይሮም እዮም።
ኣብዚ ዓመት 2016 ዓ.ም ናይ ሕሉፍ ዓመት መጠቓለሊ ገምጋም፣ ምትዕርራይን ምደባን ኣመራርሓ ኣብ
ምክያድ እንተዘይኮይኑ ክሳብ ሕዚ ዝተኸደ ዳህሳስ ይኹን ናይ ኣካል ትዕዝብቲ ኣይነበረን። ሕዚ ግን ዝተወሰና
ወረዳታት ሰሜን ምዕራብ፣ ማእኸላይን ምብራቕን ኣባላት ፖሊስ ምዕራብ ሓዊሱ ተጠርጠርትን ፖሊስን
ትኹረት ዝገበረ ምልከታ ተገይሩ እዚ ሓፂር ሪፖርት ተዳልዩ ኣሎ።
2. ዕላማ እዚ ምልከታ፦
2.1. ኩነታት ኣበላት ፖሊስ ብዝርዝር ብምርዳእን ብምፍላጥን ኣብ ቀፃሊ ስራሕትና ዘለዉ ጥንካረታት
ንምዕቃብን ክፍተታት ተረዲእኻ ንምእራምን ንምስትኽኻልን ክሕገዝ ተሓሲቡ ዝተኻየደ እዩ።
2.2. ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ጥርጡራት ኣብ ዘለውዎ ቦታ ብኣካል ብምርካብ ክእረሙን ክስተኻኸሉን
ዝግበኦም ክፍተታት መልክዕ ክሕዙ ንምግባር ተሓሲቡ ዝተኻየደ ምልከታ እዩ።
3. ኣድላይነት እዚ ምልከታ፦
3.1. ካብ ሪፖርት ብዝዘለለ ኩነታት ወረዳታት ብኣካል ተረኺብካ ኩሎም ዝልዓሉ ሓሳባት ምድማፅን
መፍትሒ ኣንፈታት ንምሕባርን ኣድላይ ስለዝኾነ፤
3.2. ኣነባብራን ስራሕ ኣፈፃፅማን ኣባላትና ብተግባር ብምርግጋፅ ኣወንታን ኣሉታን ብምፍላይ
ኣወንታዊ ጎኒታት ንምብርትታዕን ጉድለታት ክእረሙ ንምግባርን ዝሕግዝ ስለዝኾነ፤
4. ሜላታት እዚ ምልከታ፡-
4.1. ቅድሚ ናብ ኣባላት ኣመራርሓን ምኻድ እሱራት ብምእኻብ፣ ሓደ በዝሕን ካልኦት ጥረ ሓቅታትን
ብምቕባል ክጅመር ምግባር እዩ ነይሩ። ካልኣይ ጥርጡራት ኣብ መሓዝ ይኹን ኣብ ጣብያ ምስ ኣተው
ምስ ፖሊስ ዘለዎም ርክብ፤ ግቡእን መሰልን ጥርጡራትን ኣብ ፍትሕን ኣታሕዛ ሰብኣዊ መሰልን
ካልኦት ከልዕልዎም ዝኽእሉ ሓሳባትን ብዝርዝር ምቕባል። ሳልሳይ ዘቕረብዎም ሓሳባት መበገሲ
1
Page
4.2. ኩሎም ኣባላት ፖሊስን ኣመራርሓን ብሓባር ብምእካብ፣ ሓደ ኣብ ኩሎም ዓውደ ስራሕቲ ፖሊስን
ውሽጣዊ ኩነታት ፖሊስን ዝመስሎምን ዝርኣዮምን ሓሳብ ከቕርቡ ምግባር እዩ። ካልኣይ እቶም
ዝቀረቡ ሓሳባት መበገሲ ብምግባር ብሓደ ወገን ሕዚ ዘሎ ህልው ኩነታት መብርሂ ምሃብ፤ ብኻልእ
ወገን ድማ እቶም ዘልዓልዎም ሓሳባት ቀጥታ መልስን መብርህን ዘድልዮም ዝርዝር መብርሂ ምሃብን
ኣመራርሓ ኮሚሽን ፖሊስ ንዕውትነት ፖሊሳዊ ተልእኾ ኩሎም ዝገብሮም ዘሎ ፃዕርታትን ዝተረኸቡ
ውፅኢታትን ብዝርዝር ምርድዳእ ምግባር እዩ።
5. ብወረዳ ኣባላትን ጥርጡራትን ዝቐረበ ሓሳብ
5.1. ወረዳ ላዕላይ ማይጨውን ከተማ ኣኽሱምን ዕለት 26-27/02/16 ዓ.ም
ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው 24 እሱራት ኣለው ካብዚኦም ናይ ከተማ ኣኽሱም ወረዳ ኣመራርሓ 5+ ኣባላት
3 ተ ድምር = 8 ተ ፖሊሳት ኣለው።
ገበን ቅትለት ተፈፂሙ ዝተበሃለ ጥቅምቲ 21/2015 ዓ.ም ኣብ እዋን ውግእ ኣብ ዓዴት እዩ።
ካብ ወርሒ ሰነ 2015 ዓ/ም ክሳብ ሕዚ ኣብ እሱር ኣለና ይብሉ እዞም ፖላዊስ፤
መሰኻኽር ተባሂሎም ቀሪቦም ዘለዉ ባንዳታት ዝነበሩ እዮም ይብሉ።
ኮሚሽን ፖሊስ ደርብይና እዩ ብሓፈሻ ንኹሉ ፖሊስ ተስፋ ዘቑርፅ ተግባር እዩ ዝፍፀም ዘሎ ይብሉ፤
ኮሚሽን ፖሊስ ዘይሻራዊ ኮሚቴ ወዲቡ ክፃረ ክገብር ይግባእ ነይሩ፤
ስርዓት ዘለዎ ናይ ምፅራይ ኣካል እንተዝህሉ ምንም መረጋገፂ ዘይብሎም 8 ተ ኣባላት ኣይምተኣሰርናን፤
ክሴታ ካብ ላዕሊ እዩ ጀሚሩ ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ? ካብ ኮሚሽን እዩ ብቐጥታ ተመሪሑ፤
ጠበቓ ሰለሙን ኣሎ ግን ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን፤
ሕዚ እቲ መዝገብ ናይ 8 ተ ተጋደልቲ ትኽክል ኣይኮነን ሰለዝበልና ናብ ክልል ቢሮ ፍትሒ እዩ ከይዱ ዘሎ፤
ሓደ ኣባል ፌዴራል ፖሊስ ንኻሊእ ኣባል ብጥይት በሎ ኢሉ ኣውቂዑ ኢሎም ኣብ ፖሊስ ጣብያ ኣእትዮምዎ ምስ
ከዱ ልዕሊ 3 ተ ወርሒ ሓታቲ ዘይብሉ ዝተቐመጠ ውልቀ ሰብ ኣሎ። እቲ ሰብ ወቒዑ ዝተብሃለ ግን ኣይተትሓዘን
ጠፊኡ እዩ።
እቶም ካልኦት እሱራት ግን ምስ ፖሊስ ዘለና ርክብ ፅቡቕ እዩ ይብሉ፤
ፖሊስ ብግዲ እመኑ ኢሉ ይወቅዕ እዩ፤ ብዙሓት ጥርጡራት ኢና ንውቃዕ ንኣብነት ካብቶም ዝዋቕዑ መምህር
2
ኮሚኒቲ ፖሊስ ቀጠና ንግስተ ሳባ ካብ 3∶30-6∶00 ስዓት ብገመድ ኣሲሩ ወቅዕኒ ዝብል እሱር ኣሎ፤
ኣኽሱም ከተማ መራሕትናን ኣባላትናን ተኣሲሮም ኣለው ኮሚሽን ሓላፍነት ወሲዱ ክከላኸለሎም ኣይኻኣለን።
ንሕናኸ እንታይ እዩ ዋሕስና? ፈሪሕና ኣለና፤ ናፃነት ተሰሚዕና ፖሊሳዊ ስራሕቲ ኣይንሰርሕን ዘለና ንዓይ እውን
ፀባሕ ከምኣ እናበልና ኢና ንሰርሕ ዘለና።
ናይ ከተማና ሓይሊ ሰብ ምምሕዳር ተጋዲልና እናሃለና ናይ ተጋዳላይ እርከን ኸልኪልና ኣሎ፤ ዝበሉ ብኣንፊት
ካብ ሰራዊት ዝወፁ ፖላዊስ ኣለው፤ ከልካሊ ብርሃነ ዝብሃል ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ እዩ።
ንሕና ግዝያዊ ፖሊስ ኢና ይብሉ፤ መን ኢልኩም? እንትበሃሉ መለለይ መንነትና እኮ ግዝያዊ እዩ ዝብል፤ ክትሰዱና
ኢና ንፅበ ዘለና ይብሉ።
ከይንመሃር ዓፊንኩም ሒዝኩሙና ኣለኹም፤ መሓዙትና ኩሎም ይመሃሩ ኣለው። 12 ክፍሊን ካብኡ ንታሕትን
ኮሌጅ ዝጀመርና እውን ነይርና ከመይ እዩ ክፈታሕ?
ናብራ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ኮይኑና ንነብር ኣለና ንምንታይ ሕሩጭ ዘይወሃበና? መፍትሒኡኸ እንታይ እዩ?
ፍትሒ የለን መውፅኢ ሕጊ ኣላማጣ ፈፃሚ መቐለ ኮይንና እንሰርሕ ዘለና ኢና ንመስል፤
ኮሚሽን ፖሊስ ምስ ፍትሒ ኣካላትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዘለዎ ርክብ እንታይ ዝመስል? ፖሊስ ጥርጡር
ይሕዝ ቤት ፍርዲ ይፈትሕ ህዝቢ ንፖሊስ ትሕዙ ትሰዱ ተባእሱና ኣለኹም እናበለ የማርር ኣሎ። ክሳብ መዓዝ
ኢና ከምዙይ ክንቕፅል?
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምልመላን ዕንብየትን ይግበር እዩ። በቢብርኩ ዘለዉ መራሕቲ ንዝደለየዎ ሰብ ፀዊዖም
ንስኻ እዙይ ኮይንኻ ኣለኻ ተባሂሉ እዩ ዝንገር። ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ምስ መሓዛኻ ክትወዳደር
ኣይፍቀደልካን፤ ብሕብሕብኢተይ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ኢሎም ኣምሪሮም ይገልፅዎ።
ኣብ ላዕላይ ማይ ጨው ኣብ ምልመላ ተሳቲፍና ሪኢቶ ሂብና ኢና ይብሉ።
እቶም ቦርድ ዝሪኡ ዘዉ ሓኻይም ብትኽክል ኣይሪኡናን ዘለው ዝብል ናይ ክትወፅእ ምድላይ ነፀብራቓት
ብስፍሓት ቀሪቦም እዮም።
5.2. ከተማ እንዳባጉና ጥርጡራትን ኣባላትን ዝቐረበ ሓሳብ ዕለት 28/02/16 ዓ.ም
ዘቕረብዎም ሓሳባት
ናብራ ተፀጊምና ኣለና 08 ተ ባኒ ተባሂላን ይመፃ ውዕል ብ 100 ግራም እዩ እተን ዝመፃ ግን ካብ 50
ግራም ንታሕቲ እየን ይብሉ፤ ፖሊስ እውን ይኣምን እዩ።
01 ደ ሰብ 24 ሰዓት ኢደይን እግረይን ብሸንሸል ተኣሲረ ይነብር ኣለኹ ይብል፤ ፖሊስ እውን ይኣምን
ከይጠፍኣና ሰለ እንፈርሕ ይብሉ፤ እቲ እሱር ግን ኢደይን እግረይን ደም ሰሪቡ ኣሎ ይብል፤ ብቕትለት
ተጠርጢረ ኣሚነ እየ እውን ይብል።
ካልኦት 04 ተ እሱራት ደማ ንኽልተ ኢድ ንኢድ ተታሒዞም ብሸንሸል ተኣሲሮም ዝሓድሩ ኣለዉ
ንምንታይ ዝብል እቲ ገዛ ጠንካራ ሰለዘይኮነ ፈሪሕና ይብል ፖሊስ። ብስርቅን ክትራንን ዝተጠርጠሩ
እዮም።
18 ተ ኣባላት ተረኺቦም፤
ኣብ ናብራ ዓብይ ፀገም ኣለና ሕሩጭ የለን። ፆሙና እናዋዓልና 24 ስዓት ንሰርሕ ኣለና ንምንታይ እዩ
ዘይፍተሐልና? ዝብል ሓሳብ የልዕሉ።
ክሳብ ሕዚ መንከም ዝኸፍሎ ኣይፍለጥን 04 ተ ኩንታል ተለቂሕና ኣለና ይብሉ፤ ኣብ ሓደጋ ኣለና ዝብል
ሓሳብ ናይ ኩሎም ኣባላት እዩ።
ፍሉይ ሓይሊ ዝነበርና ንምንታይ ናይ 2013 ዓ.ም መሃያ ዘይወሃበና ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ ኣባላት ኣለው፤
ናይ ኣባላት መንበሪ፣ ቤት ፅሕፈትን ናይ እሱራትን ገዛ የብልናን ኣብ ፀገም ኣለና፤ ዝኾነ ውለቀ ሰብ
ተፈልዩ ክእሰር ዝግበኦ እንትህሉ ክነፅነሐሉ እንኽእል ገዛ የብልናን።
ደቂ ኣንስትዮ ፈሊኻ መእሰሪ እውን የብልናን ተፀጊምና ኣለና፤
ክዳን እኹል ኣይኮነን፣ ጫማን መዕጠቒ ስረ ቁልፍን የብልናን፤
ናይ ሞያ መሃያ ንምንታይ ዘይስራሕ ቀደም ኣባል ምፅራይ ኩሉ ቲም ነይሩ፣ ኣብ ትራፊክን ሓበሬታን
ክትትልን እውን ከምኡ ፀገም ኣሎ ንምንታይ ዘይፍታሕ?
መሃያ ውሕድ እዩ እኹል ኣይኮነን በዚ ዲና ክንሰርሕ?
ኣባላት ናብ ዝኾነ ስራሕ እንትልእኽን መገደድትን ተፀጊምና ብናይ ባዕሎም ወፃኢ እዮም ዝሰርሑ
ዘለው፤
ሓሺሽ፣ መዐወኒ ዕፅን ጫትን ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራትን ፍሉይ ሕጊ ወፂኡ ንምንታይ ክስተኻኸል
ዘይግብር? ብመደበኛ ሕጊ ከመይ ገይርና ናብ ስርዓት ክንኣቱ ንኽእል?
ስቪል ሰርቪስ ኣብ ክልተ ቦታ ኮይና ከመይ ናፃ ኮይና ክንሰርሕ ንኽእል? ክንሰናበት ዘይትገብሩ? ንኹሉ
ሰብከ ስንብት ኣይደልን እንተይሉ ንምንታይ ዘይፍቀደሉ?
5
Page
29 ሰብ ተኣኪቡ፤
ኣብ ናብራ ከቢድ ፀገም እዩ ዘለና ከመይ እዩ ክፍታሕ? ብስሩኸ ትፈልጥዎ ዲኹም?
ኣባላት ኮሚኒቲ ፖሊስ ተፀጊሞም ኣለው መንበሪ ገዛ የብሎሙን ቤት ፅሕፈት እውን
የብሎሙን ምግቢ ተፀጊሞም ኣለው። ከመይ እዩ ክፍታሕ?
ቤት ፍርዲ ልሕሉሕ እዩ፣ ፖሊስ ይደክም ቤት ፍርዲ ይለቅቕ ህዝቢ የማርር ንምንታይ
ዘይፍታሕ ኮሚሽን ፖሊስ ከ እዚ ንምስትኽኻል እንታይ ይገብር ኣሎ?
ንሰራሕ መንቀሳቀሲ በጀት የለን፣ ብዘለዋና መሃያ ጥራሕ ንትራንስፖርትን ኣበልን ንጥቀም
ኣለና። ንመገደድቲ‘ውን እንህቦም ኣበል የብልናን፤
ምስ ሰራዊት ትግራይከ ማዕረ ዶ ንረአ ኣለና? ማዕረ ንረአ እንተኾይና ልዕሊ 2+ ወርሒ ዝብላዕ
6
ንሕና ናይ ሓደ ወርሒ መባእታዊ ስልጠና ወሲድና ልዕሊ ዓመት ኣብ ስራሕ ፀኒሕና ኣለና
ንምንታይ ዓቕሚ መዕበይ ስልጠናታት ብኮሚሽን ዘይወሃብ?
ሓደጋ ትራፊክ ምፅራይ ሰለ ዘይብልና ኣብ ሰራሕትና ዓብይ ተፅዕኖ ይፈጥረልና ኣሎ።
ስንብት ንምንታይ እዩ ዘይፍቀድ? ድልየት ዘይብሉ ሰብ ዘይንስንዮ?
ኣብ ኩሎም መሓውራት መንግስቲ ጠመተ ናይ ዘይምሃብ ፀገም ኣሎ።
ናይ ትራንስፖርት ፀገም ኣለና፤ መኪና ለሚንና ከይንሰርሕ እውን ናይ ነዳዲ ባጀት ን 6+ ወርሒ
2000 ብር ጥራሕ እዩ ተመዲቡልና።
ናይ ፅገናን ፅሕፈት መሳርሕን በጀት የብልናን፤
ዝተፈላለዩ ፖሊሳዊ ዕጥቅታት የብልናን ንኣብነት ከም ካቴናን፣ ፊሽካን ካልኦትን ባዶ ኢና
ዘለና፤
ክዳን ፀገም ኣሎ ሓደ ቅያር መፂኡ ዳሓር ዝመፀ ኣይተውሃበን ሓደ ቅያር እውን እኹል ኣይኾነን፤
ጫማ የቡሉን መዕጠቂ ስረ ቁልፊ እውን የለን። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጉርዲ ስለዝኾነ ንስራሕ
ምችው ኣይኮነን።
5.4. ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ጥርጡራትን ኣባላትን ዝቐረበ ሓሳብ ዕለት 29/02/16 ዓ.ም
128 እሱራት ኣለውዎም ፤ ካብዚኦም 20 ተጋደልቲ እሱራት ኣለው። ኣብ ስራሕ ዘለው 05 ሰብ ፤ ብስንብት
ንሕና ግዝያዊ ፖሊስ ኢና ምኽንያቱ መለለይ መንነትና እውን ግዝያዊ እዩ ዝብል ንምንታይ ዘይትስንዩና፤
ኣብ ፖሊስ ዝካየዱ ኩሎም ዓይነት ምልመላታት መራሕቲ ዝደልይዎ ሰብ ፀዊዖም እዮም ናብዙይ
ተመደብካ ወይ ተሸይምካ ዝብልዎ ሓፋሽ ዝህቦ ሪኢቶ የለን፤ ዘይንኣምነሎም ውልቀ ሰባት ናብ ሓላፍነት
ዝወፁ ኣለው።
ቆልዑ ዘለውኹን ወይ ለየቲ ኣብ ዋርድያ ሕደራ ዘይትወፃ እንተኾይንኽን ናብ ዝደለኽንኦ ኽዳ ተባሂልና፤
መንግስቲ ተቐቢልና ኣብዙይ ግን መስርሒ ባይታ ኣይረኸብናን።
ውዳበ ፎሮም ማ/ሰብ ዝበሃል ቅድሚ መርድእ ዝተወሰነ ተጀሚሩ ነይሩ ሕዚ ግን የለን ደው ኢሉ እዩ።
ፎርጂድ መለለይ መንነት ዘለዎም ውለቀ ሰባት ሒዝና ንኣስር እንተይ ወዓለ እንተይ ሓደረ ብኣባላት
ምፅራይ ይፈታሕ ኣሎ፤
ተጋደልቲ ኮይንና ናይ ተጋደላይ እርከን ዝተኸልከልና ኣለና ዝብሉ ኣለው፤
ዝውውር ክፍቀድ ኣለዎ ንምንታይ ይኽልከል? ናይ ቤተሰብና ፀገም ኣብ ግምት ብምእታው ክፍታሕ ኣለዎ።
5.5. ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ 29/02/16 ዓ.ም
26 እሱራት ኣለውዎም፣
01 ሰብ 5 ተ ወርሒ ዝፀንሐ፣ 01 ሰብ 4 ተ ወርሒ፣ 01 ሰብ 3 ተ ወርሒ፣ 08 ሰብ ሓደ ወርሒ፣ 09 ሰብ 3 ተ
ሰሙን፣ 01 ሰብ 2 ተ ሰሙን እቶም ኻልኦት 01 ሰሙንን ትሕቲኡን እዮም።
01 ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቐረበ እዩ፤
ፖሊስ ዘይሕጋዊ ሽጉጥ ኣዕሚሩ ሰብ ክወቅዕ ዝግልገል ዝነበረ ምስ ሽጉጡ ኣረኪብናዮም ንዕኡ ለቒቆም
ካልኦት 6 ተ ሰባት ወቒዕኽምዎ ብዝብል ምኽንያት ተኣሲርና ንርከብ።
ብዕለት 4/11/2015 ዓ/ም ብሰብኣዊ ሓገዝ ምጥፍእፋእ ተጠርጢርካ ተባሂለ ተኣሲረ ናብ ፀረ ግዕዝይና
ኢሎም መሪሐምዎ ኣየቕፅዕን ምስ በሎም ናብ ዓቓቢ ሕጊ መሪሐምዎ ኣለው፤ ኣነ ፍትሒ ሲኢነ ኣለኹ
ዝብል ውለቀ ሰብ ኣሎ። ሕዚ ድማ ምስቲ ናተይ ክሲ ዝተኣሳሰረ 6 ተ ሰባት ተወሲኾም ይብለኒ ኣሎ
ፖሊስ፤ ፍፍትሒ ጠፊኡ ኣሎ።
ብሓንቲ ገበን ዝተጠርጠርና ክልተ ሰባት ቀዳማይ ተኸሳሲ ኣብርሃ ዝበሃል ብዓርሰ ውሕስና ፖሊስ
ለቂቕዎ ንሓጎስ ካልኣይ ተኸሳሲ ግን 50‚000 ብር ብውሕስና ኣትሕዝ ተባሂለ ይብል፤
ናይ ሽንቲ ቤት ፀገም ኣለና፤
ምግቢ ንፅገም ኣለና ንመዓልቲ 4 ተ ባኒ እዩ ዝቐርበና መጠኑ ግን ካብ 50 ግራም ንታሕቲ እዩ፤
መንግስቲ ሰራሕተኛ እንታይ እዩ ዝሕሰብ ዘሎ? ክፍታሕ ኣለዎ ክኸይድ እውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ
Page
ኣልዒሎም።
ዘቅረብዎም ሓሳባት
ፍትሒ የለን፣ ዘውድቕን ኣስሚን ሕማም ኣለኒ ዝፈትሐለይ ሲኢነ ኣለኹ ዝብል ውልቀ ሰብ ኣሎ፤
መሰልና ኣይሕለወልናን ኣብ ደገ እንትንታሓዝ ኩሉ ናይ ፀጥታ ሓይሊ ይወቅዐና ኣብ ጣብያ ምስ
ኣተና እውን ንውቃዕ ኣለና፤
ንጠሚ ኣለና፤ ኣብ መዓልቲ 5 ተ ባኒ ተባሂለን እየን ዝመፃ መጠኑ ግን ካብ ሓደ ጉላሶ ዝዓቢ ኣይኾነን።
ናይ 12 ክፍሊ ተማሃራይ እየ ትምህርቲ ኣቋሪፆም ኣሲሮምኒ ኣለው ንምንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን
ዝብል ውልቀ ሰብ ኣሎ፤ ፖሊስ ግን 6 ተ ሰብ ኮይኖም ንሓንቲ ጓል ሰለዝደፈሩ እዮም ይብል።
ድኻታት ኢና ውሕስና ካብ ዓቅምና ንላዕሊ ኣትሕዙ እናተብሃልና ኣብ እሱር ቤት ንነብር ኣለና
ዝብሉ ልዕሊ 3 ተ ሰባት ኣለው።
ካብቶም እሱራት 7 ተ ሰብ ተወቂዕና ዝብሉ ኣለው፤
9 ተ ተጋደልቲ እሱራት ኣለውዎም፤ ካብዚኦም ሓደ ሰብ ኣብ ሰራዊት ዘሎ፣ 3 ተሰብ ብስንብት
ዝወፁ፣ 5 ተ ሰብ ሰሊሞም ዝመፁ እዮም።
11
Page
ዘቅረብዎም ሓሳባት
ዓቅሚ መዕበይ ስልጠናታት ክወሃበና ይግባእ ልዕሊ ዓመት ኣብ ስራሕ ፀኒሕና ክሳብ ሕዚ ኮሚሽን
ሱቕ ክብል ኣይግባእን ነይርዎ።
ሓይሊ ሰብ ዋሕዲ ኣለና፣ ተፀጊምና ካብ ዓቅምና ንላዕሊ ኢና ንሰርሕ ዘለና፤
ስንብት ክፍቀደልና ኣለዎ፣ ደቅና ማሓዝቶም እናተምሃሩ ንሳቶም ሰኣን ኣቦ ዘምህሮም ሲኢኖም
ኣለው፤
ዝውውር ከም ድልየትኻ ክኸውን ኣለዎ፣ ተዓፂና ኢና ዘለና ክፍታሕ ኣለዎ።
ኣብ ኣተሓሕዛ ጥርጡራት ፍትሒ የለን፣ ቤት ፍርዲ እውን ይለቆም ኣሎ።
በጀት የለን እንተይበላዕና 24 ሰዓት ንሰርሕ ኣለና ተፀጊምና ኢና ዘለና፤
ኮሚሽን ካብ ላዕሊ መፂኹም ምስ ጥርጡራት ንምንታይ ትራኸቡ እንታይ ደልኹም እዩ? ትኽክል
ኣይኾነን ዝብል ሓሳብ እውን ኣቕሪቦም።
ኪኢካታትን ኣመራርሓን ናይ ዓቕሚ ፀገም ኣለዎም ብቁዓት ኣይኾኑን፤
ተምሃሮ ኣለና ምሓዙትና ናብ ትምህርቶም ይምለሱ ኣለው ንሕናኸ እንታይ ኢና ንኸውን?
ዝተሓሰበ ነገር ኣሎዶ?
ኮሚሽን ፖሊስ ጨቁኑ እዩ ሒዙና ዘሎ ንምንታይ ዓድና ዘይትሰዱና? ደንቁርና ንነብር ኣለና።
ጥሩጡራት ምስ እግዝቢትን መረዳእታን ንሕዝ ቤት ፍርዲ ይለቅቕ ሕጊ ክመሓየሽ ኣለዎ።
እንዳ ሓሺሽ፣ ሽሻን ጫትን ፍሉይ ሕጊ ክወፀእ ይግባእ፤ እንተዘይኮይኑ ሓዱሽ ወለዶ ይበላሸ ኣሎ
እንተዝሕሰበሉ ፅቡቕ እዩ።
ኣብ ግንባር ዘሎ ነባር ፖሊስ ንምንታይ ዘይመፅእ ኣብ ስራሕትና ዓብይ ክፈተት ይረኣ ኣሎ፤
ዘይተጋደሉ ነባራት ፖላዊስ ደረጃ ቀኒሶም እውን እንተኾነ ክኣትዉ ዘይንገብሮም ንምንታይ?
ናይ መፅንሒ ግዜ እርከን ገና እዩ ተባሂልና ዝተኸልከልና ኣለና።
ቅድሚ ኩነታት በቢብርኩ ናይ ስልኪ ተባሂሉ ንስራሕ ይምደብ ነይሩ ሐዚ ንምንታይ ተኸልኪሉ?
ቤት ፍርዲ ባዕሉ ይፈትሕ እንገና ክትሓዙ ይእዝዝ ተፀጊምና ኣለና፤
12
Page
15 ተ እሱራት ኣለውዎም፤
01 ሰብ ዓመት ዝፀንሐ፣ 01 ሰብ ወርሕን መንፍቕን ዝፀንሐ ወዲ 16 ዓመት እዩ፤
8 ተ ሰብ ፖሊስ ቃል ዘይተቐበሎም፤
13
ተጋደለቲ የብሎሙን፤
ዘቅረብዎም ሓሳባት
ዘቅረብዎም ሓሳብ፦
ሕዚ ክልተ ወርሒ ገይርና ኣለና ምንም ነገር ካብ ዘይዋሃበና፣ መዓዝ ? መን? ከም ዝኸፍሎ
ኣይፈለጥን ኣብ ሬስትራንት እናፈረምና ንምገብ ኣለና ምግብናና ፈሪሱ እዩ።
ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብዝብል ተጠርጠርቲ ካብ ስራሕን መሃያን ተኣጊድና ኮፍ ኢልና
ኣለና፤ ዝብሉ ኣባላት ፖሊስ ኣለው፤
እቶም ክሳናበቱ ተባሂሎም ተዳልዮም ዘለው ናብ ሓፋሽ ቀሪቦም ሪኢቶ ኣይተውሃቦምን።
ኣብ ፖሊስ ድልየት ዘይብሉ ስብ ክሳናበት ይግባእ ንምንታይ ኢኹም ዓፂኽምዎ?
ዝውውር ብሕጋዊ መንገዲ ዝተፈቀደ ክኸውን ኣሎዎ፤ ናብ ቤተሰብና ከይንዘዋወር ተዓፂና
ኢና ዘለና፤
ናይ ወረዳ ዓድዋ ፖሊስ ኣመራርሓ መስምዒ እዝኒ ኣይነበሮን ኣባላት ኣየሳትፍን ሓሰብ
ኣይቕበልን፤
ኤግዚቢት፣ ንብረትን ሎጅስቲክስ ኣብ ሓደ ገዛ ኮይኑ ብሓደ ሰብ እዩ ዝምራሕ፤
ኣብ ወረዳና ድሕሪ ጉንበት 15/2015 ዓ.ም ኣኼባ ዝበሃል ገይርና ኣይንፈልጥን።
ንብረት እንትጠፍእ ምፅራይ ኣይግበርን ንኣብነት 2 ተ ክላሽን ጠፊኡ ኣይተፃረየን፤ ካልኦት
ንብረታት እውን ይጠፍእ ኣይፃረን።
ኮሚኒቲ ፖሊስ ጣብያታት ርሕቐት ስለዘለዎ ጥርጡራት እንትነመላልስ ንፅገም ኣለና
በጃት እውን የብልናን።
ካብ ላዕሊ ዝለኣኽ መልኣኽቲ ብሕጋዊ ደብዳቤ ክኸውን ኣለዎ፤ ተባሂሉ ብዝብል ብወረኢና
እንሰምዕ ዘለና።
ጥሮታ ክትወፁ ዝተባሃሉ ነባራት ፖላዊስ ገሊኡ መሃያ ይኽፈል ገሊኡ ድማ ተኸልኪሉ
ኣሎ እሞ ይስተኻኸል።
ናይ ሕድሕድ ሰብ መበገሲ መሃያ ኣይንፈልጥን ዝርዝር እንተዝመፅእ።
ዝተጋደልና ደቂ ኣንስትዮ እናሃለና ኣይተጋደልክንን ንበሃል ኣለና፤
ሓበሬታን ክትትልን ቀደም ናይ ስልኪ ገንዘብ ነይርዎ ሕዚ የለን ተፀጊምና ኣለና ንምንታይ
እዩ ተቋሪፁ?
ወረዳ ኣመሓደርትን ወረዳ ፖሊስ ኣመራርሓን ፅቡቕ ርክብ የብሎምን ስለዝኾነ እውን
15
እዮም፤
10 ተ እሱራት ተጋደልቲ ኣለው፤ ካብዚኦም 2 ተ ሰብ ኣብ ሰራዊት ዘለዉ፤ 4 ተ ሰብ
ንእሹተይ እዩ፤
ዘልዕልዎም ሓሳባት
ኮይኑ ኣሎ፤
Page
በቢ እዋኑ ዝካየድ ዕብየት ከመይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ናይ ሓፈሻ ተሳትፎ ዝበሃል የለን።
ዝካየዱ ምልመላታት ብሕብሕብኢተይ እዩ ዝካየድ፤ ንምንታይ እዩ ከምኡ ዝኸውን
ዘሎ? ዝደልኻዮ ሰብ ምጉታት እዩ ዘሎ።
ኮሚሽን ፖሊስ ኣብ ህንፀት ሰራዊት እነታይ ይሰርሕ ኣሎ? ብቐፃልነት ከ እንታይ
ዝተሓሰበ ኣሎ?
ዝተሓዋወሰ ኣታሓሳስባ ዘለዎ ፖሊስ እዩ ዘለና፤ ፅሬት የብሉን። ክፍተሽን ክፍታሕን
ኣለዎ።
ተጋዳላይ ፖሊስ እናተባሃልና ኢና ንቕፅል ዘለና መልክዕ ክሕዝ ኣለዎ።
እቲ ፀገም ዘለዎ ተጋደላይ ንምንታይ ዘይትፈትሕሉ?
ጥሮታ ክወፁ ዝደልዩ ንምንታይ ዘይፍቀደሎም?
ናይ ትምህርቲ ዕድል እንታይ ይሕሰብ ኣሎ? ንዕንፀል ኣለና ግዜና ይሓልፍ ኣሎ።
ዓቅሚ መዕበይ ስልጠናታት ንምንታይ ዘይወሃብ? እንታይ ከ ዝተሓሰበ ኣሎ?
ኪኢላታት የብልናን፣ ማለት ምፅራይ፣ ትራፊክ ወዘተ… ናይ ዓቅሚ ፀገም ኣሎ፤ ናይ
ቅንዕና ፀገም እውን ኣሎ።
ኣብ ኣባላትና ናይ ስነ-ምግባርን ስነ-ስርዓትን ፀገም ኣሎ፤ እዚ ንምፍታሕ እንታይ
ዝተታሐዘ ኣሎ?
ዝለዓሉ ሕቶታት ቅልጡፍ መልሲ ሰለዘይውሃብ ክሳብ ሕዚ 12 ኣባላት ጠፊኦም ወይ
ሰሊሞም ኣለው።
ፖሊስና ኣብ ሓደ ገዛ ተወዲቡ ከይንነብር ገዛ የለን፤ እንታይ ይሕሰብ ኣሎ?
5.10 . ወረዳ ጋንታ ኣፈሽም 01-02/03/16 ዓ.ም
ሀ. ኩነታት እሱራት
18 እሱራት ኣለውዎም፤
ተገዲቡ እዩ።
ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝርከብ ነባር ፖሊስ እንታይ ይሕሰብ ኣሎ? ኮሚኒቲ ፖሊስ ኣብ
ሓለዋ ካብ ዘሎ ፖሊስ ንላዕሊ መሃያ ንምንታይ ይኽፈል? ካባና ንላዕሊ እንታይ ሰሪሑ?
ሓቢርና ኢና ተጋዲልና።
ብጉድኣት ክሳናበቱ ዝተባሃሉ ንምንታይ ይዝንግዕ? ቀልጢፎም ክኸዱ ኣለዎም ኣብ
ስንፍላል እዮም ዘለው።
6. እንትጠቓለል/ መደምደምታ/
ሰለዝኾነ ኣብዚ ሕዚ ዝተገበረ ትዕዝብቲ ከም መደምደምታ ኮይኑ ክርአ ዝኽእልን ዝውሰድን ብሓፂሩ
ንምቕማጥ እዩ። ፖሊስና ብሓደ ወገን ፖሊሳዊ ተልእኽኡ ኣብ ምፈፃም ብዙሓት ዝተሓላለኹን ዝተወሳሰቡን
ኣጋጣሚታት እኳ እንተሃለዉ ኩሎም ዘጋጥሙ ፀገማት ተፃዊሩ ዝተውሃቦ ተልእኾ ብዝላዓለ ወነን ህልኽን
እናፈፀመ ዝመፀን ዘሎን ምዃኑ እዩ። ብኻሊእ ወገን እንትርአ ድማ ነቶም ጥንካረታቱ ንድሕሪት ክምልሱ
ዝኽእሉ ወይ ከባላሽው ዝኽእሉ ቀለልቲ ዘይባሃሉ ናይ ስነ ምግባር ፀገምን ጉድለት ሰነ ስርዓትን ኣብ ኩሉ ከባቢ
ጎሊሆም ይረኣዩ ምህላዎም፤ ግልፂ እናኾነ ዝመፅእ ዘሎ ሓቂ እዩ። በቢ ብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ ፖሊስና ኣብ
ህንፀት ኣባላት ዘለዎ ክፍተት ሰፊሕ እዩ። ኣብ ኩሉ ከባቢታት ወይ ወረዳ ክባሃል ብዝኽእል ኣባላት ዝልውጡን
ዘረዳድኡን ናይ ህንፀት ስራሕቲ ዳርጋ የለን ክባሃል ዝኽእለ እዩ፤ ንኣብነት ኣብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሰ፣
ኣኽሱሙን ዓዲ ግራትን ኣብ ሕድሕደን ከክልተ ፖሊስ ጣብያታት ኣለወአን፤ አዘን ከተማታት እዚአን ናይ ዞባ
21
ፖሊስ ቤት ፅሕፈት ማእኽላት እየን ማለት ዞባ ንወረዳ መዓልታዊ ድጋፍ ንምሃብ ምችው እዩ። እንተኾን ግን
Page
ካብቲ ካሊእ ከባቢ ወይ ወረዳ ዝተፈለየ ድስፕሊንን ኣሰራርሓን ብዙሕ ዝርአ ነገር የለን። እዙይ ማለት ድማ
ናይ ወረዳ ኣመራርሓ ውስንነትጥራሕ ዘይኮነስ በቢብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ ዝምልከት ምዃኑ ዘመላኽት እዩ።
ኣብ ጥርጡራት ናይ ናብራ ፀገም ምህላው፤ እዙይ ፖሊስ በይኑ ክፈትሖ ዝኽእል ጉዳይ እኳ እንተዘይኮነ ተራ
ፖሊስ ወሳኒ ምዃኑ ተረዲእኻ ጥዕነኦም ክሕሎ ፅሬት ክህሉ ኣብ ምግባር ፀገማት ኣለው።
ኣብ ናይ ፖሊስ መፅንሒ ዝኣተው መናእሰይ ኣብ ፖሊስ ፍቅርን ምሕዝነትን ፈጢሮም ክወፁ ዘግበር ስራሕ
የለን። መናአሰይ ኢኹም ሎሚ ተጠርጢርኩም ናብ ጣብያ መፂእኹም ኣለኹም ፅባሕ ግን ወፂእኹም
ተረከብቲ ዓዲ ሰለዝኾንኩም ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኣየኹም ኢሉ ዝሃንፅን ዘረድእን ሰብ ወይ ኣመራርሓ
ውሱን እዩ። ኣታሓሕዛ ጥርጡራት ዳሃላይን ክሸማቐቑን ክፈርሑን ዝግበር ኣካይዳ ጎሊሁ ዝር ተግባር ፖሊስና
እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ክፍታሕ እንተዘይኪኢሉ ምስ ጠቕላላ ህዝብና ዘባእስን ክንረሓሐቕ ዝገብርን ተግባር
ከም ዝኾን ምርዳእ የድሊ።
ሓደ ዝምገብሉ ኩነታት ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ወረዳ ድማ ሰብ ተበታቲኑ ናብራ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኮይንዎ
Page
ተፅዕኖ ገዚፍ ምዃኑ፤ ካልኣይ ተልእኾ ፖሊስ ኣብ ምፍፃም እውን ኣብ ዝደለኻዮ ስዓት ተዋፍሮን ትእዝዞን
ዘይኮነስ ኣብ ቆፀሮ ስዓት ዝርከብ ኣባል ክኸውን ይግበር ምህላው፤ ሳልሳይ ኣባልና ከማርር ናብራ ፖሊስ
ከፅልኦ ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ኣስተዋፅኦ ይገብር ምህላው እዩ።
7.4. ናይ መንበር ገዛን ቤት ፅሕፈትን ፀገም ሰፊሕ እዩ፤ ኣብ ገሊኦም ቤት ፅሕፈታት ዘይጠዓዐሙ ነገራት ኣብ
ሓደ ቦታ ዝገብሩ ኣለው። ከምቲ ልዕል ኢሉ ኣብ ወረዳ ዝተገለፀ ኤግዚቪት፣ ናይ ኣባላት ንብረትን
ሎጂስቲክስን ባዕሎም ንባዕሎም ክጣፍኡ ዝኽእሉ ኣብ ሓደ ገዛ ንሓደ ሰብ ሓላፍነት ምሃብ ኣሎ።
ኣባላትና ቅድም ክብል ኣብ ዝኾኑ ቤት ፅሕፈታት ስራሕ ስለዘይጀመሩ ተፀጊሞም ይነብሩ ነይሮም፤ ሎሚ
ኩሎም ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ስራሕ ይጅምሩ ስለዘለው ውፃእ እናተብሃለ ይንጋላታዕ ኣሎ። ወረዳ
ኣመሓደረቲ ተኻረዩልና ዝብል ሕቶ እንትቀርበሎም እውን ገንዘብ የብልናን ዝብል መልሲ እዩ ዝወሃብ
ዘሎ፤ እዚ ክፍታሕ እንተዘይኪኢሉ ንፖሊሳዊ ስራሕትና ዕንቅፋት ምዃኑ ኣይተርፍን።
7.5. ኣብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይን ውለቀ ትካላት ሰራሕተኛን ዝነበሩ እውን ብዝተፈላለየ መልክዕ
ዝግለፅ ኣብ ህንፀት ኣባላት ኣሉታዊ ፅልዋ ዘሕድሩ ኣታሓሳስባታት ይረኣዩ ኣለው። ሓደ እዚ ኮሚሽን
ዝገብረልና የብሉን ትካልና እዩ መሃያ ዝኸፍለና ዘሎ ሰደዱና ዝብል እዩ፤ እቲ ዝኽፈሎ ዘሎ መሃያ ናይ
መንግስቲ ምዃኑ ዘየስተባህል ንባዕሉ እውን ኣብ ትካል መንግስቲ ምህላው ክርኢ ዘይደሊ ኣታሓሳስባ እዩ፤
ካልኣይ ንሕና ናብ ኮሚኒቲ ፖሊስ ኣይንኣቱን ሰለዘይንቕፅል፤ እቶም ካልኦት ኣባላት ይጠቐሙ ኢልና ኢና
ገዲፍናዮ ብዝብል ዝገልፅ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ መፍረሳይ ዝኾነ ኣታሓሳስባ ዝረኣየሉ እዩ፤ ሳልሳይ
ኣብ ውልቀ ትካላት ዝሰርሑ ዝነበሩ ውለቀ ሰባት መንግስቲ ሰራሕተኛ መሃይኡ ይበልዕ ቤተሰቡ የማሓድር
ኣሎ፤ ንሕና ግና ንባዕልናን ንቤተሰብና ተፀጊምና ኣብ ሓደጋ ኣለና ቤተሰብና/ደቅና/ ካብ ትምህርቲ
ተገሊሎም ኣለው በዝብል ዝግለፅ እዩ፤ ኩሎም ዝልዓሉ ሓሳባት ሓቂ ክኮኑ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ዓብይ
ክፍተቶም ግን ሎሚ እውን ኣብ መኸተ ከም ዘለና ዘይምርዳእ ትማሊ ምስኦም ኣብ ግንባር ዝኳሻሕ
ዝነበረ እቲ ዝበዝሕ ሰራዊት ትግራይ ለሟዓንቲ እውን ኣብ በረኻታት ከርተት ይብል ምህላው ዝሰረዐ
ኣተሓሳስባ ምዃኑ እዩ።
7.6. ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ዝልዓለ ዓብዪ ናይ ትምህርቲ ሕቶ ምህላው፤ መሓዙትና ናብ ትምህርቲ
ዓለም ይምለሱ ኣለው ናትና ዕድል እንታይ እዩ? ዝብል ተስፋ ዝሰኣነ ዝመስል ኣታሓሳስባ ኣብ ኩሉ ከባቢ
ኣጀንዳ ኮይኑ ይቕፅል ምህላው እዩ። እቲ ሕቶ ክለዓል ዘለዎ እዩ ክለዓል ዘይግበኦን ዘይነበሮን ኣይኾነን
ኣብዚ ሕዚ ዘለናዮ መድርኽ መኸተ ንኹሉ ተጋደላይ ሰራዊት ትግራይ እውን ሓዊሱ ካብ ቀደማይ ብርኪ
ትምህርቲ ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዋይ ብርኪ ይካኣልዶ? ኣይካኣልን ዝብል ግን ኣብ ግምት ዘኣተወ ኣይኮነን።
ብዝተልዓለ ይልዓል ግን ብዘየገድስ ኣብ ህንፀት ኣባላትና ናይ ባዕሉ ዝኾነ ኣሉታዊ ተፅዕኖ እናፈጠረ
ይኸይድ ምህላው ዝተርፍ ኣይኮነን።
23
7.7. ኣብ ፖሊሳዊ ተልእኾ ተዋፊሮም እናሃለው ዘጋጥም ናይ ሓደጋ ውሕስና እውን ሓደ ካብቶም ኣብ ህንፀት
Page
ኣባላትና ኣሉታዊ ፅልዋ እናፈጠሩ ዝኸዱ ዘለው እዩ። እዚ ሓሳብ ዝተፈላለዩ ኣብነታት ብምልዓል እዩ
ዝገልፆም ንኣብነት ኣብ ከተማ ኣኹሱም 8 ተ ኣባላት ፖሊስ ብሓደ ሰብ ቅትለት ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩን
ኣብ ዓዲ ግራት እውን ብተመሳሳሊ 7 ተ ኣባላት ፖሊስ ብሓደ ሰብ ቅትለት ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩን
ካልኦት ኣብነታትን እናልዐለ ይገልፆም። ኣብዚ ጉዳይ ዘለው ጉጉያት ኣታሓሳስባታት ሓደ ኣብ ቀረበኦም
ዘሎ ምፅራይን ኣመራርሓን እንታይ ሰለዘይገበረ እዩ? ኣባላት ብጅምላ ተኣሲሮም ዘይምርዳእ ኣሎ፤ እቲ
ዝፈልጥን ዝተረደኦን እውን ንኣባላቱ እዚ እዩ ምኽንያቱ ኢሉ ከረድእ ድልው ናይ ዘይምዃን ፀገም ኣሎ፤
ካልኣይ እቲ ኣባል ዝተፈጠረ ኩነታት ከረድኦ ዝኽእል ሰብ ስለ ዘይረኸበ ኮሚሽን ፖሊስ ንኣባላቱ ውሕስና
ኣይህብን ኣብ ልኡኽ ዘጋጥም ፀገም ጥብቅና ኣየቑመልናን ዝብል ኣታሓሳስባ ናብ ኩሉ እናተጋፈሐ
ዝመፀሉ ኩነታት ይርኣ ኣሎ። ስለዝኾነ እዙይ እውን ኣብ ተልእኹኡ ዓርሰ ምትእምማን ከይህልዎ እናገበረ
ዝኸይድ ዘሎ ዘይምዕሩይ ሓሳብ እዩ።
7.8. ናይ ግዝያውነት ኣታሓሳስባ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይግለፅ ምህላው፤ ብሓደ ወገን ባዕሉ ብባዕሉ ዝፈጥሮ
ንሕና ናብ ፖሊስ እንትመፅእ ግዝያዊ ተባሂልና ኢና መፂእና ይብል፤ እዚ እንትገልፅ ድማ ውግኣት ሰለዘለና
ኣብ ሰራሕ ሰለዘይንኽእል፣ ሕማም ስለዘለና ስለዘይንኽእልን ጥሮተኛታት ስለዝኾናን ብዝብል ይገልፅ።
እቲ ሽዑ ዝነበረ ዝተማልኣ ኣካለዊ ብቕዓት ዘለዎ ዝብል መመዘኒ ረቛሒ ክዛረቦ ኣይደልን፤ ብካሊእ ወገን
ድማ ንሕና ኣብ‘ዚ ፖሊስ ግዝያዊ ስለዝኾና እዩ ግዝያዊ መለለይ መንነት ተዋሂብና ዘሎ ብዝብል እውን
ይግለፅ ኣሎ። ዝደለየ መበገሲ ይሃልዎ ብዝመፀ ይዋፃእ ግን ኣብ ኣባላትና ዝተረጋግአ ህይወት ከይህልዎም
ካብ ምግባር ዓዲ ዝውዕል ክኸውን ኣይኽእልን።
7.9. ኣብ ፖሊስና ንዝተፈላለየ ሞያን ሓላፍነትን ዝካየድ ምልመላ ኣብ ፍትሕን ሚዛናውነት ኣብ ምርግጋፅ
ዝተፈላለዩ ፀገማት እናተርኣየሉ ዝኸይድ ዘሎ ተግባር ኮይኑ ኣሎ። ሓደ ምስ‘ቲ ቅድም ክብል ዝተገለፀ
ተታሒዙ ክርአ ዝኽእል ተኣኻኺብና ናይ ምውፃእ ድልየት ዝደፍኦ እቶም ሕዚ ክሳናበቱ ተባሂሎም
ዝተፈለዩ ፍሉጥ ፀገም ዘለዎም ኣባላት እንትርኣዩ ኩላትና ናብ ሓኻይም ፀገምና ሒዝና ክንቐርብ ነይርና
ዝብል ንባዕሉ ጥራሕ ዝርኢ ኣታሓሳስባ እዩ፤ ካልኣይ ኣብ ቀረባ እዋን ዝግበር ዘሎ ናይ ሓላፍነት
ምትዕርራይ ኣብ ዝበዝሕ ኣሃዱ ወይ ወረዳ ናይ ሓፈሽ ተሳትፎ ዝተረጋገፀሉ ዘይምዃኑ እዩ፤ መራሕቲ
ዝደለይዎ ሰብ ፀዊዖም ናብ እዙይ ደይብካ ወይ ተሸይምካ ተባሂሉ ጥራሕ እዩ ዝንገሮ ዝብል ኣብ ዝበዝሕ
ከባቢ ዝቀረበ እዩ፤ ሳልሳይ ኣባላት ክወዳደርሉ ዝኽእሉ መፍለይ ረቛሓታት የለን መፅኢና ኣይንፈልጥን።
ሰለዝኾነ እውን ውለቀ ሰባት ዝደልይዎ መዚዞም ይወስዱ ዘይደለይዎ ግን ዋላ ብልጫ ይሃልዎ ተዓምፂፁ
ይተርፍ ዝብል ሓሳብ ይቐርብ ኣሎ፤ እዙይ ድማ ኣብ ኣባላት ፖሊስ ብሓደ ወገን ኣብ ተልእኹኡ ወነ ህልኽ
ከይህሉ ተበገሶታቱ ክዳኸም ይግበር ኣሎ፤ ብኻሊእ ገፁ እንትረአ ድማ ኣባላትና ናብ ወያናይ ውድድር
ከይኣትው፤ እንታይ ኣእተወና ዝዓይነቱ ኣካይዳ ክላመድ ዝግበር እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። እዙይ እውን
ብስንኪ ዘይምዕሩይ ኣካይዳና ኣብ ውሽጢ ኣባላትና ቅሬታ እናፈጠረ ኣብ ባዕሉን መንነቱ ከይተኣማመን
24
7.10. ኣብ ፖሊስና ዝተለመደ ይኹን ኣይኹን ብዘይፍላጥ ይኹን ብፍላጥ ዝውውር ከም ናይ ሓደ ኣባል መሰል
ወሲዱ ዝካራኸረሉ ዘሎ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኣታሓሳሰባ በቢብርኩ ዘሎ ኣባል መሪሕነት ንባዕሉ
ማእኸል እናገበረ ደፊሩ ካብ ምዝራብ ናብ ምቑጣብ ዝኣትወሉ ኩነታት ምህላው እዩ፤ እዚ ሓሳብ
ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝገልፅ እዩ፤ሓደ ትካል ምዃኑ ረሲዑ ኣብ እገለ ቦታ ዘሎ ምስ እገለ ዝበሃል
ተመሳሳሊ ሓላፍነት ሰለዘለና ተስማዕሚዕና ኣለና ኢሉ ብድፍረት ዝዛረብ እዩ፤ ካልኣይ ንበይኑ ፍሉይ
ፀገም ከም ዝበፅሖ ኣምሲሉ ንውልቁ ዝርእን ዝሓስብን ዓይኑ ዓሚቱ ብምክርኻር ይገልፆ፤ ብዝመፁ
ይምፅኡ ብዘየገድስ ኣባልና ኣብ ስርሑ ከይውዕል ናብ ከባቢኡ ከመይ ክቐርብ ከም ዝኽእል እናቆዘመ
ክውዕል ዝገበሩ ዘለው ኣታሓሳስባታት እዮም። ሰለዝኾነ ክሰርሐሉ ዝግባእ ኣታሓሳስባን ተግባርን ከም
ዝኾነ ምርዳእ ከድሊ እዩ።
7.11. ኣብ ኣታሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ጥርጡራት ዘሎ ፀገም እውን ቅድም ክብል ዝነበረ ሕዚ እውን ዘሎ ፀገም
እዩ። ሓደ ዝኾነ ኣካል ፀጥታ ሰብ እንትሕዝ ምውቃዕ ኣብ ኩሉ ከባቢ ዝርአ ዘሎ ፀገም እዩ፤ ካልኣይ ኣብ
ጣብያ ድሕሪ ምእታው ብፖሊስ ምውቃዕ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ይርአ ኣሎ፤ ሳልሳይ ኣብ ኣባላት ምፅራይ
ተገዲዱ ክኣምን ገዛ ዓፂኻ ክሳብ ምውቃዕን ምፍርራሕ ዝርኣየሉ ኩነታት ኣሎ፤ ራብዓይ ኣብ ኩለን
ወረዳታት ዝርአ ተግባር እኳ እንተዘይኮነ ጥርጡራት 24 ስዓት ኣብ ገሊኡ ድማ ለይቲ ጥራሕ ብሸንሸል
ዝእሰሩ ጥርጡራት ኣለው። እዚ ኣመራርሓ ፖሊስ እውን እናፈለጠ ዝፍፀም ዘሎ ተግባር እዩ፤ አዞም
ተግባራት እዚኦምን ካልኦትን ጥርጡራትና ኣብ ፖሊስ ፍቕርን እምነትን ኣሕዲሮም ንቐፃሊ ከምዚ ዝበለ
ተግባር ኣይፍፀምን፤ ንኻልኦት እውን ከይጋገዩ ከምህር እየ ዝብል ኣታሓሳስባ ሰኒቑ ዘይኮነ ዝወፅእ፤
ቅሬታን ስሚዒትን ቋፂሩ እዩ ዝወፅእ ዘሎ እሞ ትኹረት ዘድለዮ ውራይ እዩ።
7.12. ኣብ ጥርጡራትና ናይ ፍትሒ ምጉዳል ሽግራት ዘለው ምዃኖም፤ አቲ ካሊእ ፀገም እዩ፤ መግለፂታት ድማ
ሓደ ጭቡጥ መረዳእታ እንተይሓዝካ ሰባት ምእሳር ኣሎ፤ ካብ መረዳእታ ስለዝይብገስ ሒዝካ ናብ
ምልቃቕ እትኣትወሉ ኩነታት ሰፊሕ እዩ፤ እዚ ፀገም ዳርጋ ኣብ ኩሉ ወረዳታት ዝርከብ ፖሊስና ዘሎ
ፀገም እዩ፤ ካልኣይ ጥርጡራት ድሕሪ ምትሓዞም ፖሊስ ቀልጢፉ ቃል ተቐቢሉ ናብ ዝምልከቶ ፍትሒ
ኣካል ዘይምቕራብ ፀገም ኣሎ፤ እዙይ እውን ዝተወሰኑ ለውጥታት ዋሏ እንተሃለወ ሕዚ እውን እንተኾነ
ፀገም ኮይኑ ዝቕፅል ዘሎ እዩ፤ ሳልሳይ ጥርጡር ድሕሪ ምትሓዙ ኣብ ዝድለ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ
ዘይምቕራብ ፀገም ኣሎ፤ ብዝተፈላለየ ምክንያት ምጉታት ይርኣ እዩ፤ ራብዓይ ናይ ጥርጡራት ፀገም
ዘይምርዳእ ኣዳሚፅኻ ክፍታሕ ዝግበኦ ዘይምፍታሕ ዘይጥዑማት ቃላት ምጥቃምን እሱራት ክፈርሑን
ክደሃሉን ዝግበር ኣካይዳ ምህላው እዩ፤ ሓምሻይ ምስቲ ኣብ ራብዓይ ነጥቢ ተቐሚጡ ዘሎ ተታሓሒዙ
ክርአ ዝኽእል ጥርጡራት ናይ ጥዕና ፀገም እንተጋጥሞም ፀገሞም ተረዲእኻ ክፍታሕ፤ ዘይምግባር ፀገም
ኣሎ። ናብ ሕክምና ተኻልኪልና ዝብሉ ሓሳባት ይላዓሉ ኣለው።
25
7.13. ቅድም ክብል ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ተለሚዱ ዝፀንሐ ናይ በብርኩ ዝርከቡ ስታፍ ኣባላትን
Page
ኪኢላታትን ሕቶ ጥቕማ ጥቕሚ ዓብይ መዘራረቢ እናኾነ ይመፅእ ምህላዉ፤ ኣብ ህንፀት ኣባላት ናይ
ባዕሉ ኣሉታዊ ፅልዋ ይፈጥር ኣሎ። ከም መበገሲ እናተወሰዱ ዝላዓሉ ሓሳባት ሓደ ኣባላት ምፅራይ
ኩሎም ብቲም ብርኪ እዮም ነይሮም ሕዚ እንታይ መለክዒ ወይ ምኽንያት ሃልዮኩም እዩ ትኽልክሉ
ዝብል ሓሳብ እዩ። ካልኣይ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ተመዲቦም ዝሰርሑ ኣባላት ስታፍ ካብ ሓላፍነት ወፃእ
ዘለው ኪኢላታት ብቲም ይሕሰበሎም ነይሩ ሕዚ የለን ንምንታይ ዝብል ሕቶ ይልዓል ኣሎ።
7.14. ፖሊስና ተበፃሓይነቱ ሕዚ እውን ገና ናብ ኩሉ ክበፅሕ ዘይካኣለን ውስንነት ዘለዎ ምዃኑ ጎሊሁ ዝረአ ዘሎ
ፀገም እዩ። ሓደ ኮሚኒቲ ናብ ኩለን ጣብያታትን ቀጠናታትን ኣብ ምምዳብ ውሰንነት ዘሎ ምዃኑ እዩ።
ካልኣይ እቲ ተመዲቡ ናብ ጣብያታት ዝኣተው ናይ መንበረ ገዛ፣ ቤት ፅሕፈትን ቀለብን ክፍትሕሉ
ሰለዘይካኣሉ ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕ ይፅገም ኣሎ፤ ሳልሳይ እቲ በቢ ጣብይኡ ተመዲቡ ዘሎ ኮሚኒቲ
ናይ ብስለትን ብቕዓትን ውሰንነት ዘለዎ ምዃኑ እውን ካሊእ ፀገም እዩ። ራብዓይ ጠንካራ ናይ ሓፋሽ
ውዳበታት የለዋን፤ ውዳበ ፎረም ማሕበረሰብ ካብ ዘን ሓፋሽ ውዳበታት ዝምስረት ሰለዝኾነ የለዋን ወይ
ድኹማት እየን። ኣብ ኩሉ ከባቢ ኣብነት ክኾና ዝኽእላ ውዳበታት ይፈጠርናን ገና ኢና ዘለና።
8. እንተዝኸውን
8.1. ኣመራርሓ ኮሚሽን ፖሊስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት‘ውን ሓዊሱ መዳህሰሲ ነጥብታት (Chekist)
ክዳሎ እንተዝግበር። ዝተዳለዉ ናብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ዝንቀሳቀሳ ጉድለታት ብምጥያሽ ውስናት
8.3. ኣብ ፖሊስና እቲ ኻሊእ ቅልጡፍ መፍትሒ ዘድልዩ ናይ ትራንስፖርት ፀገም እዩ። ወረዳ ፖሊስ
ተንቀሳቒሱ ተልእኽኡ ክፍፅም ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ እዩ ዘሎ። መኪና የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ መኪና
ለሚኑ ክጥቀም እውን ነዳዲ መገዝኢ በጀት የብሉን። ሰለዚ እዚ ፀገም ንሰራሕትና ዓንቃፋይ ይኸውን
ሰለዘሎ ንመንግስቲ ኣቕርብና ክፍታሕ ዝከኣለና ፃዕሪ እንተንገብር።
27
Page