You are on page 1of 28

ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ ሓፂር

ሪፖርት

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን


ሕዳር 2016 ዓ.ም

መቐለ

ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ካብ ዕለት 26/02/16 ዓ.ም ክሳብ 02/03/16 ዓ.ም ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ
ሓፂር ሪፖርት

1. መእተዊ
ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕቲ ተዋፊሩ ተልእኹኡ እናፈፀመ
ዝመፀ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ። ኮሚሽን ፖሊስ ከም ብሓዱሽ እንትጣየሽ ክልተ ዕማማት ኣለውኻ ተባሂሉ
ብግልፂ ተነጊርዎ ካብ ግንባር ከም ዝመፀ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ሰላም እንተቐፂሉ ኣብ ደጀን ፖሊሳዊ ስራሕቲ
ኩነታት እናኸፈአ እንተኸይዱ ድማ ናብ ግንባር ከም ዝወፍር ፈሊጡ ዝኣተወ ሓይሊ ስለዝነበረ ኣብ ደጀንን
ግንባርን እናተፈራረቐ ልእኽትኡ ዝፍፅመሉ ኩነታት ተፈጢሩ ፀኒሑ እዩ።

ኮይኑ‘ውን ኣብ መደበኛ ፖሊሳዊ ተልእኾ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ኣብ ብርክት ዝበላ ወረዳታት
ስሩዕ ዳህሳስን ሓፀርቲ ትዕዝብቲታትን እናተገበሩ ፀኒሖም እዮም። እቶም ዝተረኸቡ ውፂኢታት ድማ ብሰነድ
መልክዕ እናተዳለዉ ናብ ተጠቃሚ ወይ ፈፃሚ ኣካል እናተልኣኹ ኩሉ ዝመሃሃረሉ ኩነታት እናተፈጠረ ክኸይድ
ኣብ ምግባር‘ውን ፃዕርታት ተገይሮም እዮም።

ኣብዚ ዓመት 2016 ዓ.ም ናይ ሕሉፍ ዓመት መጠቓለሊ ገምጋም፣ ምትዕርራይን ምደባን ኣመራርሓ ኣብ
ምክያድ እንተዘይኮይኑ ክሳብ ሕዚ ዝተኸደ ዳህሳስ ይኹን ናይ ኣካል ትዕዝብቲ ኣይነበረን። ሕዚ ግን ዝተወሰና
ወረዳታት ሰሜን ምዕራብ፣ ማእኸላይን ምብራቕን ኣባላት ፖሊስ ምዕራብ ሓዊሱ ተጠርጠርትን ፖሊስን
ትኹረት ዝገበረ ምልከታ ተገይሩ እዚ ሓፂር ሪፖርት ተዳልዩ ኣሎ።

2. ዕላማ እዚ ምልከታ፦
2.1. ኩነታት ኣበላት ፖሊስ ብዝርዝር ብምርዳእን ብምፍላጥን ኣብ ቀፃሊ ስራሕትና ዘለዉ ጥንካረታት
ንምዕቃብን ክፍተታት ተረዲእኻ ንምእራምን ንምስትኽኻልን ክሕገዝ ተሓሲቡ ዝተኻየደ እዩ።
2.2. ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ጥርጡራት ኣብ ዘለውዎ ቦታ ብኣካል ብምርካብ ክእረሙን ክስተኻኸሉን
ዝግበኦም ክፍተታት መልክዕ ክሕዙ ንምግባር ተሓሲቡ ዝተኻየደ ምልከታ እዩ።
3. ኣድላይነት እዚ ምልከታ፦
3.1. ካብ ሪፖርት ብዝዘለለ ኩነታት ወረዳታት ብኣካል ተረኺብካ ኩሎም ዝልዓሉ ሓሳባት ምድማፅን
መፍትሒ ኣንፈታት ንምሕባርን ኣድላይ ስለዝኾነ፤
3.2. ኣነባብራን ስራሕ ኣፈፃፅማን ኣባላትና ብተግባር ብምርግጋፅ ኣወንታን ኣሉታን ብምፍላይ
ኣወንታዊ ጎኒታት ንምብርትታዕን ጉድለታት ክእረሙ ንምግባርን ዝሕግዝ ስለዝኾነ፤
4. ሜላታት እዚ ምልከታ፡-
4.1. ቅድሚ ናብ ኣባላት ኣመራርሓን ምኻድ እሱራት ብምእኻብ፣ ሓደ በዝሕን ካልኦት ጥረ ሓቅታትን

ብምቕባል ክጅመር ምግባር እዩ ነይሩ። ካልኣይ ጥርጡራት ኣብ መሓዝ ይኹን ኣብ ጣብያ ምስ ኣተው
ምስ ፖሊስ ዘለዎም ርክብ፤ ግቡእን መሰልን ጥርጡራትን ኣብ ፍትሕን ኣታሕዛ ሰብኣዊ መሰልን

ካልኦት ከልዕልዎም ዝኽእሉ ሓሳባትን ብዝርዝር ምቕባል። ሳልሳይ ዘቕረብዎም ሓሳባት መበገሲ
1
Page

ብምግባር ዝርዝር መብርሂ ሂብካ ምጥቕላል።

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

4.2. ኩሎም ኣባላት ፖሊስን ኣመራርሓን ብሓባር ብምእካብ፣ ሓደ ኣብ ኩሎም ዓውደ ስራሕቲ ፖሊስን
ውሽጣዊ ኩነታት ፖሊስን ዝመስሎምን ዝርኣዮምን ሓሳብ ከቕርቡ ምግባር እዩ። ካልኣይ እቶም
ዝቀረቡ ሓሳባት መበገሲ ብምግባር ብሓደ ወገን ሕዚ ዘሎ ህልው ኩነታት መብርሂ ምሃብ፤ ብኻልእ
ወገን ድማ እቶም ዘልዓልዎም ሓሳባት ቀጥታ መልስን መብርህን ዘድልዮም ዝርዝር መብርሂ ምሃብን
ኣመራርሓ ኮሚሽን ፖሊስ ንዕውትነት ፖሊሳዊ ተልእኾ ኩሎም ዝገብሮም ዘሎ ፃዕርታትን ዝተረኸቡ
ውፅኢታትን ብዝርዝር ምርድዳእ ምግባር እዩ።
5. ብወረዳ ኣባላትን ጥርጡራትን ዝቐረበ ሓሳብ
5.1. ወረዳ ላዕላይ ማይጨውን ከተማ ኣኽሱምን ዕለት 26-27/02/16 ዓ.ም

ሀ. ብወረዳ ላዕላይ ማይ ጨው እሱራት ዝተልዓሉ ሓሳባት

 ኣብ ወረዳ ታሕታይ ማይጨው 24 እሱራት ኣለው ካብዚኦም ናይ ከተማ ኣኽሱም ወረዳ ኣመራርሓ 5+ ኣባላት
3 ተ ድምር = 8 ተ ፖሊሳት ኣለው።
 ገበን ቅትለት ተፈፂሙ ዝተበሃለ ጥቅምቲ 21/2015 ዓ.ም ኣብ እዋን ውግእ ኣብ ዓዴት እዩ።
 ካብ ወርሒ ሰነ 2015 ዓ/ም ክሳብ ሕዚ ኣብ እሱር ኣለና ይብሉ እዞም ፖላዊስ፤
 መሰኻኽር ተባሂሎም ቀሪቦም ዘለዉ ባንዳታት ዝነበሩ እዮም ይብሉ።
 ኮሚሽን ፖሊስ ደርብይና እዩ ብሓፈሻ ንኹሉ ፖሊስ ተስፋ ዘቑርፅ ተግባር እዩ ዝፍፀም ዘሎ ይብሉ፤
 ኮሚሽን ፖሊስ ዘይሻራዊ ኮሚቴ ወዲቡ ክፃረ ክገብር ይግባእ ነይሩ፤
 ስርዓት ዘለዎ ናይ ምፅራይ ኣካል እንተዝህሉ ምንም መረጋገፂ ዘይብሎም 8 ተ ኣባላት ኣይምተኣሰርናን፤
 ክሴታ ካብ ላዕሊ እዩ ጀሚሩ ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ? ካብ ኮሚሽን እዩ ብቐጥታ ተመሪሑ፤
 ጠበቓ ሰለሙን ኣሎ ግን ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን፤
 ሕዚ እቲ መዝገብ ናይ 8 ተ ተጋደልቲ ትኽክል ኣይኮነን ሰለዝበልና ናብ ክልል ቢሮ ፍትሒ እዩ ከይዱ ዘሎ፤
 ሓደ ኣባል ፌዴራል ፖሊስ ንኻሊእ ኣባል ብጥይት በሎ ኢሉ ኣውቂዑ ኢሎም ኣብ ፖሊስ ጣብያ ኣእትዮምዎ ምስ
ከዱ ልዕሊ 3 ተ ወርሒ ሓታቲ ዘይብሉ ዝተቐመጠ ውልቀ ሰብ ኣሎ። እቲ ሰብ ወቒዑ ዝተብሃለ ግን ኣይተትሓዘን
ጠፊኡ እዩ።
 እቶም ካልኦት እሱራት ግን ምስ ፖሊስ ዘለና ርክብ ፅቡቕ እዩ ይብሉ፤

ለ. ናይ ከተማ ኣኽሱም ጥርጡራት ሓሳብ፦

 ፖሊስ ብግዲ እመኑ ኢሉ ይወቅዕ እዩ፤ ብዙሓት ጥርጡራት ኢና ንውቃዕ ንኣብነት ካብቶም ዝዋቕዑ መምህር
2

ኣባዲ ምፅራይ ሽሻይ ምፅራይ ንብዙሓት ሰባት ብተደጋጋሚ ዝወቕዑ እዮም።


Page

 ኮሚኒቲ ፖሊስ ቀጠና ንግስተ ሳባ ካብ 3∶30-6∶00 ስዓት ብገመድ ኣሲሩ ወቅዕኒ ዝብል እሱር ኣሎ፤

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ፖሊስ ቃል ኣይተቀበልናን ዝብሉ ኣለዉ፤


 ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረብናን ዝብሉ ኣለው፤
 ወዲ ሓወዛ ዝብሃል ፖሊስ ብገመድ ንድሕሪት ኣሲሩ ወቂዑኒ ዝብል ኣሎ፤
 ምስ ቤተሰብ ኣየራኽቡናን ይብሉ፤
 ፖሊስ ሰባት ብዘይምንም መረዳእታ ይኣስር፤
 01 ደ እሱር ተጋዳላይ ዓብይ ሓወይ ተሰዊኡ ካብ ኣሃደይ ኣፍቂደ መፂአ ኣብ ሓዘን 3 ይ መዓልቲ እንተይመልአ
ተኣሲረ ኣደይ እውን ሓዊሱ ኩሉ ቤተሰብና ተኣሲሩ ነይሩ ሕዚ በይነይ ተሪፈ ይብል፤ ምኽንያት ብረት ሰሪቕኻ
ኢለሙኒ ኣብ ዘይወዓልኽዎ፤ ናይ ፍቓድ ግዜ እውን ሓሊፉ ኣሎ፤
 ሓደ ዶ/ር ሓዊሱ 63 እሱራት ኣለውዎም፤ እዚ ዶ/ር ብቕትለት ዝተጠርጠረ እዩ ንሱ እውን ኣይኣመነን፤
 ኣብ‘ዚ እሱር ቤት ከም ተጋሩን ፅባሕ እንወፅእን ኣይንርአን፤ ከም ባዕዲ ኢና እንረአ ዘለና፤
 ናይ ፍትሒ ኣካል የለን፤ ተፀጊምና ኣለና፤
 ካብ እዞም ዘለዉ እሱራት 20 ተጋደልቲ ኣለዉ 6 ተ ተጋደልቲ ኣብ ስራሕ ዘለው 1 ሰብ ስንብት 13 ተ ሰብ ዝሰለሙ
እዮም።

ሐ. ካብ ኣባላት ከተማ ኣኽሱምን ላዕላይ ማይጨውን ብሓባር ዝቐረበ ሓሳብ፦

 ናይ ኣባላት መንበሪ ገዛ ተፀጊምና ኣለና ክፍትሐልና ኣለዎ፤


 ናይ ኣኽሱም ኮሚኒቲ ፖሊስ ቤት ፅሕፈትን መንበርን ገዛ ተፀጊሞም ኣለው፤
 ናይ ስንብት ሕቶ ብዙሕ እዩ ንምንታይ ዘይፍታሕ ብፍላይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ዘይንስደድ?
 ዝውውር ንምንታይ ኢኹም ዘይፈትሑልና ካብ ቤተሰብ ተፈሊና ንነብር ኣለና፤
 ስራሕ መካየዲ በጀት ኣይተመደበልናን ቤት ፍርዲ ካብ ዝኾነ ዓዲ ጥርጡር ክነምፅእ ይእዝዝ ንሕና ብናይ ባዕልና
ወፃኢ ኢና ንኸይድ ዘለና፤
 ሓይሊ ሰብ ዋሕዲ ስለዘሎ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ንሰርሕ ኣለና፤ እቲ ዘሎ ሓይልና እውን ንኮሚኒቲ ስራሕ ኣብ
ጣብያታት እዩ ዘሎ፤
 ኣብ ናይ ውለቀ ትካላት እንሰርሕ ዝነበርና ውለቀ ሰባት ልዕሊ 10‚000 መሃያ ነይሩና ሐዚ 1‚900 ትኸፍሉና
ኣለኹም፣ ከመይ ገይርና ቤተሰብ ነማሓድር ዘይትሰዱና?
 ክዳን የብልናን ሓንቲ ቅያር ኣምፂእኹም ንሳ እውን ጫማ የብላን፣ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጉርዲ ሰለዝኾነ ንቢሮ
እንተዘይኾይኑ ንፀጥታ ሰራሕቲ ምችው ኣይኮነን። እሱር እንተምሊጡ ጎይና ክንሕዝ ክንከላኸል ኣይንኽእልን
ክፍታሕ ኣለዎ።
3
Page

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ኣኽሱም ከተማ መራሕትናን ኣባላትናን ተኣሲሮም ኣለው ኮሚሽን ሓላፍነት ወሲዱ ክከላኸለሎም ኣይኻኣለን።
ንሕናኸ እንታይ እዩ ዋሕስና? ፈሪሕና ኣለና፤ ናፃነት ተሰሚዕና ፖሊሳዊ ስራሕቲ ኣይንሰርሕን ዘለና ንዓይ እውን
ፀባሕ ከምኣ እናበልና ኢና ንሰርሕ ዘለና።
 ናይ ከተማና ሓይሊ ሰብ ምምሕዳር ተጋዲልና እናሃለና ናይ ተጋዳላይ እርከን ኸልኪልና ኣሎ፤ ዝበሉ ብኣንፊት
ካብ ሰራዊት ዝወፁ ፖላዊስ ኣለው፤ ከልካሊ ብርሃነ ዝብሃል ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ እዩ።
 ንሕና ግዝያዊ ፖሊስ ኢና ይብሉ፤ መን ኢልኩም? እንትበሃሉ መለለይ መንነትና እኮ ግዝያዊ እዩ ዝብል፤ ክትሰዱና
ኢና ንፅበ ዘለና ይብሉ።
 ከይንመሃር ዓፊንኩም ሒዝኩሙና ኣለኹም፤ መሓዙትና ኩሎም ይመሃሩ ኣለው። 12 ክፍሊን ካብኡ ንታሕትን
ኮሌጅ ዝጀመርና እውን ነይርና ከመይ እዩ ክፈታሕ?
 ናብራ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ኮይኑና ንነብር ኣለና ንምንታይ ሕሩጭ ዘይወሃበና? መፍትሒኡኸ እንታይ እዩ?
 ፍትሒ የለን መውፅኢ ሕጊ ኣላማጣ ፈፃሚ መቐለ ኮይንና እንሰርሕ ዘለና ኢና ንመስል፤
 ኮሚሽን ፖሊስ ምስ ፍትሒ ኣካላትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዘለዎ ርክብ እንታይ ዝመስል? ፖሊስ ጥርጡር
ይሕዝ ቤት ፍርዲ ይፈትሕ ህዝቢ ንፖሊስ ትሕዙ ትሰዱ ተባእሱና ኣለኹም እናበለ የማርር ኣሎ። ክሳብ መዓዝ
ኢና ከምዙይ ክንቕፅል?
 ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምልመላን ዕንብየትን ይግበር እዩ። በቢብርኩ ዘለዉ መራሕቲ ንዝደለየዎ ሰብ ፀዊዖም
ንስኻ እዙይ ኮይንኻ ኣለኻ ተባሂሉ እዩ ዝንገር። ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ምስ መሓዛኻ ክትወዳደር
ኣይፍቀደልካን፤ ብሕብሕብኢተይ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ኢሎም ኣምሪሮም ይገልፅዎ።
 ኣብ ላዕላይ ማይ ጨው ኣብ ምልመላ ተሳቲፍና ሪኢቶ ሂብና ኢና ይብሉ።
 እቶም ቦርድ ዝሪኡ ዘዉ ሓኻይም ብትኽክል ኣይሪኡናን ዘለው ዝብል ናይ ክትወፅእ ምድላይ ነፀብራቓት
ብስፍሓት ቀሪቦም እዮም።
5.2. ከተማ እንዳባጉና ጥርጡራትን ኣባላትን ዝቐረበ ሓሳብ ዕለት 28/02/16 ዓ.ም

ሀ. ከተማ እንዳባጉና ጥርጡራት፦

 21 ሰብ እሱራት ኣለውዎም ካብዚኦም 5 ተ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቐረቡ እዮም፤


 01 ደ ሰብ 02 ተ ውርሒ፣ 02 ተ ሰብ 01 ደ ወርሒ፣ 04 ተ ሰብ 03 ተ ሰሙን፣ 02 ተ ሰብ 02 ተ ሰሙን ኣብ
እሱር ቤት ዝፀንሑ ኮይኖም ካልኣቶም ካብ ሰሙን ንታሐቲ ዝፀንሑ እዮም።

ዘቕረብዎም ሓሳባት

 ናይ ዋሕስ መስልና ተኸልኪልና ዝብሉ ውልቀ ጥርጡራት ኣልው፤


4
Page

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ናብራ ተፀጊምና ኣለና 08 ተ ባኒ ተባሂላን ይመፃ ውዕል ብ 100 ግራም እዩ እተን ዝመፃ ግን ካብ 50
ግራም ንታሕቲ እየን ይብሉ፤ ፖሊስ እውን ይኣምን እዩ።
 01 ደ ሰብ 24 ሰዓት ኢደይን እግረይን ብሸንሸል ተኣሲረ ይነብር ኣለኹ ይብል፤ ፖሊስ እውን ይኣምን
ከይጠፍኣና ሰለ እንፈርሕ ይብሉ፤ እቲ እሱር ግን ኢደይን እግረይን ደም ሰሪቡ ኣሎ ይብል፤ ብቕትለት
ተጠርጢረ ኣሚነ እየ እውን ይብል።
 ካልኦት 04 ተ እሱራት ደማ ንኽልተ ኢድ ንኢድ ተታሒዞም ብሸንሸል ተኣሲሮም ዝሓድሩ ኣለዉ
ንምንታይ ዝብል እቲ ገዛ ጠንካራ ሰለዘይኮነ ፈሪሕና ይብል ፖሊስ። ብስርቅን ክትራንን ዝተጠርጠሩ
እዮም።

ለ. ኣባላት ፖሊስ ከተማ እንዳባጉና ዘቕረብዎም ሓሳባት፦

 18 ተ ኣባላት ተረኺቦም፤
 ኣብ ናብራ ዓብይ ፀገም ኣለና ሕሩጭ የለን። ፆሙና እናዋዓልና 24 ስዓት ንሰርሕ ኣለና ንምንታይ እዩ
ዘይፍተሐልና? ዝብል ሓሳብ የልዕሉ።
 ክሳብ ሕዚ መንከም ዝኸፍሎ ኣይፍለጥን 04 ተ ኩንታል ተለቂሕና ኣለና ይብሉ፤ ኣብ ሓደጋ ኣለና ዝብል
ሓሳብ ናይ ኩሎም ኣባላት እዩ።
 ፍሉይ ሓይሊ ዝነበርና ንምንታይ ናይ 2013 ዓ.ም መሃያ ዘይወሃበና ዝብል ሕቶ ዘልዕሉ ኣባላት ኣለው፤
 ናይ ኣባላት መንበሪ፣ ቤት ፅሕፈትን ናይ እሱራትን ገዛ የብልናን ኣብ ፀገም ኣለና፤ ዝኾነ ውለቀ ሰብ
ተፈልዩ ክእሰር ዝግበኦ እንትህሉ ክነፅነሐሉ እንኽእል ገዛ የብልናን።
 ደቂ ኣንስትዮ ፈሊኻ መእሰሪ እውን የብልናን ተፀጊምና ኣለና፤
 ክዳን እኹል ኣይኮነን፣ ጫማን መዕጠቒ ስረ ቁልፍን የብልናን፤
 ናይ ሞያ መሃያ ንምንታይ ዘይስራሕ ቀደም ኣባል ምፅራይ ኩሉ ቲም ነይሩ፣ ኣብ ትራፊክን ሓበሬታን
ክትትልን እውን ከምኡ ፀገም ኣሎ ንምንታይ ዘይፍታሕ?
 መሃያ ውሕድ እዩ እኹል ኣይኮነን በዚ ዲና ክንሰርሕ?
 ኣባላት ናብ ዝኾነ ስራሕ እንትልእኽን መገደድትን ተፀጊምና ብናይ ባዕሎም ወፃኢ እዮም ዝሰርሑ
ዘለው፤
 ሓሺሽ፣ መዐወኒ ዕፅን ጫትን ካልኦት ዘይሕጋዊ ተግባራትን ፍሉይ ሕጊ ወፂኡ ንምንታይ ክስተኻኸል
ዘይግብር? ብመደበኛ ሕጊ ከመይ ገይርና ናብ ስርዓት ክንኣቱ ንኽእል?
 ስቪል ሰርቪስ ኣብ ክልተ ቦታ ኮይና ከመይ ናፃ ኮይና ክንሰርሕ ንኽእል? ክንሰናበት ዘይትገብሩ? ንኹሉ
ሰብከ ስንብት ኣይደልን እንተይሉ ንምንታይ ዘይፍቀደሉ?
5
Page

 ዝውውር ንምንታይ ትዓፅዉ? ንዘይምፍቃድ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 እንበዝሕ ሰባት ተምሃሮ ኢና ብዛዕባ ትምህርቲ እንታይ ይሕሰብ ኣሎ?


5.3. ወረዳ ፅምብላ ካብ ጥርጡራትን ኣባላትን ዝቐርበ ሓሳብ ዕለት 28/02/16 ዓ.ም

ሀ. ወረዳ ፅንብላ ጥርጡራት

 40 እሱራት ኣለውዎም 1 ሰብ 5 ተ ወርሒ፣ 3 ተ ሰብ 3 ተ ወርሒ፣ 5 ተ ሰብ 2 ተ ወርሒ፣ 11 ሰብ ሓደ


ወርሒ፣ 4 ተ ሰብ ሰለስተ ሰሙን፣ 2 ተ ሰብ ክልተ ሰሙን፣ 2 ተ ሰብ ሰሙን ካልኦት ካብኡ ንታሕቲ ኣብ
ጣብያ ተኣሲሮም ዝፀንሑ እዮም።
 12 ተጋደልቲ እሱራት ኣለው፤ ካብዚኦም 1 ኣብ ስራሕ ዘሎ መራሒ ቦጦሎኒ ብቕትለት
ዝተጠርጠረ፤ 1 ሰብ ብሰንብት ዝወፀን 10 ተ ሰብ ሰሊሞም ዝተመለሱን እዮም።
 እቶም ብቐጥታ ሰብ ወቂዖም ናብ ሕክምና ኣትዩ ክመውት ዝገበሩ ክምስክር ሰለዝበለ ኣነ
ብዘይኣግባብ ተኣሲረ ኣለኹ ፍትሒ የለን ይብል እቲ መራሒ ቦጦሎኒ፤
 ኣብዚ እሱር ቤት ዓበይ ናይ ምግቢ ፀገም ኣሎ ንጠሚ ኣለና፤
 ኣብቲ ጣብያ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣለው 1 ወዲ 14 ተ ዓመት 1 ድማ 13 ተ ዓመት እየ ይብል ባዕሉ፤
ብዓይኒ እንትርአ ግን ካብ 10 ተ ዓመት ኣይበልፅን እዚኦም‘ውን እሱራት እዮም።
 ፖሊስ ይዋቓዕ እዩ ንኣብነት ኮኾብ ዝበሃል መርማሪ፣ ነጋሲ ዝበሃል መርማሪ ገዛ ዓፅዩ ኣገዲድካ
እመን እናበልካ ምውቃዕ ኣሎ።
 መብዛሕቲኡ ፖሊስ ግን ድሓን እዩ ይብሉ፤

ለ. ወረዳ ፅንብላ ኣባላት

 29 ሰብ ተኣኪቡ፤
 ኣብ ናብራ ከቢድ ፀገም እዩ ዘለና ከመይ እዩ ክፍታሕ? ብስሩኸ ትፈልጥዎ ዲኹም?
 ኣባላት ኮሚኒቲ ፖሊስ ተፀጊሞም ኣለው መንበሪ ገዛ የብሎሙን ቤት ፅሕፈት እውን
የብሎሙን ምግቢ ተፀጊሞም ኣለው። ከመይ እዩ ክፍታሕ?
 ቤት ፍርዲ ልሕሉሕ እዩ፣ ፖሊስ ይደክም ቤት ፍርዲ ይለቅቕ ህዝቢ የማርር ንምንታይ
ዘይፍታሕ ኮሚሽን ፖሊስ ከ እዚ ንምስትኽኻል እንታይ ይገብር ኣሎ?
 ንሰራሕ መንቀሳቀሲ በጀት የለን፣ ብዘለዋና መሃያ ጥራሕ ንትራንስፖርትን ኣበልን ንጥቀም
ኣለና። ንመገደድቲ‘ውን እንህቦም ኣበል የብልናን፤
 ምስ ሰራዊት ትግራይከ ማዕረ ዶ ንረአ ኣለና? ማዕረ ንረአ እንተኾይና ልዕሊ 2+ ወርሒ ዝብላዕ
6

ዘይብልና ንምንታይ ዘይትኩኡልና? ዝብል ሓሳብ ኣልዒሎም።


Page

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ንሕና ናይ ሓደ ወርሒ መባእታዊ ስልጠና ወሲድና ልዕሊ ዓመት ኣብ ስራሕ ፀኒሕና ኣለና
ንምንታይ ዓቕሚ መዕበይ ስልጠናታት ብኮሚሽን ዘይወሃብ?
 ሓደጋ ትራፊክ ምፅራይ ሰለ ዘይብልና ኣብ ሰራሕትና ዓብይ ተፅዕኖ ይፈጥረልና ኣሎ።
 ስንብት ንምንታይ እዩ ዘይፍቀድ? ድልየት ዘይብሉ ሰብ ዘይንስንዮ?
 ኣብ ኩሎም መሓውራት መንግስቲ ጠመተ ናይ ዘይምሃብ ፀገም ኣሎ።
 ናይ ትራንስፖርት ፀገም ኣለና፤ መኪና ለሚንና ከይንሰርሕ እውን ናይ ነዳዲ ባጀት ን 6+ ወርሒ
2000 ብር ጥራሕ እዩ ተመዲቡልና።
 ናይ ፅገናን ፅሕፈት መሳርሕን በጀት የብልናን፤
 ዝተፈላለዩ ፖሊሳዊ ዕጥቅታት የብልናን ንኣብነት ከም ካቴናን፣ ፊሽካን ካልኦትን ባዶ ኢና
ዘለና፤
 ክዳን ፀገም ኣሎ ሓደ ቅያር መፂኡ ዳሓር ዝመፀ ኣይተውሃበን ሓደ ቅያር እውን እኹል ኣይኾነን፤
ጫማ የቡሉን መዕጠቂ ስረ ቁልፊ እውን የለን። ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጉርዲ ስለዝኾነ ንስራሕ
ምችው ኣይኮነን።
5.4. ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ካብ ጥርጡራትን ኣባላትን ዝቐረበ ሓሳብ ዕለት 29/02/16 ዓ.ም

ሀ. ኩነታት እሱራት ከ/ሕረ እንዳስላሰ

 128 እሱራት ኣለውዎም ፤ ካብዚኦም 20 ተጋደልቲ እሱራት ኣለው። ኣብ ስራሕ ዘለው 05 ሰብ ፤ ብስንብት

ዝወፁ 03 ሰብ፤ ሰሊሞም ዝተመለሱ 12 ሰብ እዮም።


 ሓደ ስብ 5 ተ ወርሒ ኣብ እሱር ዝፀነሐ 3 ተ ሰብ ሰለስተ ወርሒ ዝፀንሑ 22 ሰብ ሓደ ወርሒ ዝፀንሑ 21
ሰብ ክልተ ሰሙን ዝፀንሑ እቶም ካልኦት ሓደ ሰሙን ካብኡ ንታሕትን ኣብ እሱር ዝፀንሑ እዮም።
 ፖሊስ ቃሎም ዘይተቀበሎም 14 ተ ሰብ ኣለው፤
 ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀረቡ 22 ሰብ ኣለው፤
 ሓደ ሰብ ከሳሲ የብለይን ንምንታይ ከም ዝተኣሰርኩ ኣይፈልጥን ዝብል ኣሎ፤
 8 ተ ሰብ ብፖሊስ ተወቂዕና ዝብሉ ኣለው፤
 4 ተ ሰብ ሓሚምና ከይንሕከም ተኸልኪልና ይብሉ፤
 ሓደ ሰብ 2 ተ መዓልቲ ብሸንሸል ተኣሲረ ውዒለ ሓዲረ ኣለኹ ዝብል ኣሎ፤
 ፍትሒ የለን፣ ገንዘብ ዘለዎ ይፍታሕ ገንዘብ ዘይብሉ ተኣሲሩ ይነብር ኣሎ ይብሉ።
 ብቁዕ ቅንዕና ዘለዎ ምፅራይ የለን፤
7
Page

 ብቁዕ ቅንዕና ዘለዎ ፍትሒ ዓቃቢ ሕጊ የለን፤


 ብቁዕ ተኣማኒ ቤት ፍርዲ የለን፤

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 እሱር ዝፍትሽ ፖሊስ የለን ፖሊስ ኣዛዚ ኣይንፈልጦን፤


 ናይ ማይ ፀገም ኣሎ ፅሬት የለን ጥዕናና ንሓደጋ ዝተቃልዐ እዩ፤
 ኣብ ፖሊስ ኣባላት ምፀራይ መውቃዕቲ ኣሎ፤ እመን፣ ሓሲኻ መስክር፣ እንተዘይኮይኑ ተዳጉንኻ ክትነብር
ኢኻ ዝብል ፖሊስ እዩ ዘሎ፤
 ካብቶም ዘለው እሱራት 1 ሰብ ፍሩዳኛ ኣሎ፤
 ካበቶም እሱራት 11 ኤርትራውያን ንምስክር ኢልና ሒዘናዮም ዝብልዎም ኣለው፤

ለ. ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣባላት፦

 ናይ ከተማ ሸረ ፀጥታ ዝተወሳሰበ እዩ ክትፈልጦን ክትፈትሖን ዘፀግም ኮይኑ ይርከብ፤


 ናይ ሓይሊ ሰብ ዋሕዲ ኣለና ነቲ ከተማ ዝምጥን ኣይኮነን፤
 ኮሚሽን ፖሊስ ንኣባላቱ ጥብቅና ኣይቖምን ዘሎ ኣባላት ኣብ ልኡኽ ዘጋጥሞም ፀገም ኣይንከላኸልን ዘለና፤
 ስቪል ሰርቫንት ሰራዊት ትግራይ ሰዲዱ ኮሚሽን ግን ከይንኸይድ ሓኒቅኩም ሒዝኩሙና ዝብል ሓሳብ
የቕርቡ፤
 ኣብ ውሽጥና ምክብባር የለን ምጥልላፍ እዩ ዘሎ፤
 ንኣባላት ፖሊስ ብዘይምንም መረዳእታ ምእሳር ኣሎ፤
 ብዙሕ እቶትን ስራሕን ዝነበረና ሰባት ሎሚ ኣብ ፖሊስ ናይ ሓደ ተራ ፖሊስ መሃያ ንወስድ ኣለና ክፍታሕ
ይግባእ፤
 ብዝኾነን ዘይኮነን ካብ ሓላፍነትን መሃያን ንኣዋርሕ ንእገድ ሰባት ኣለና ክፍታሕ ኣለዎ፤
 ሊያቡ፣ ዓመፅትን ሃንገኛታትን ውሕስና ንምንታይ ይፍቀድ? ተመሊሶም ናብ ዝነበርዎ እናኣተዉ ተፀጊምና
ኣለና፤
 ኣብ ፖሊስና ናይ ዓቕሚ ፀገም ኣለዎ፣ ናይ ዓቕሚ ምዐባይ ስልጠናታት ክወሃብ ይግባእ፤
 መሃያ ፀገም ኣሎ እኹል ኣይኮነን፤ እንታይ ይሕሰብ ኣሎ? በዚ መሃያ ፖሊሳዊ ተልእኾ ምፍፃም ኣይካኣልን።
 ቀለብ የብልናን ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ተፀጊምና ንነብር ኣለና። ምስ ሰራዊት ትግራይ ማዕረ ዲና ንርአ ዘለና
እንተኾይንና ናብራና ንምንታይ ዘይስተካኸለልና ኣብ ሰራዊት ሕዚ ዓብዪ ፀገም የለን።
 ናይ ኪኢላታት መሃያን ጥቕማ ጥቕምን እንታይ ይሕሰብ ኣሎ? ክሳብ ሕዚ ዝግበኣና ኣይረኸብናን።
 በዙሕ ተምሃራይ ኣለና እንታይ እዩ ዝሕሰበሉ ዘሎ? መሓዙትና ስለዘይተጋደሉ ናብ ትምህርቲ ዓለም
ተመሊሶም ኣለው። ንሕና ስለዝተጋደልና ተዓንፂልና ንተርፍ ኣለና።
 ጉድኣት ተጋደልቲ ከይትሰዱና ዓፊንኩም ሕዚኩምና ኣለኹም ንምንታይ? መሰልና ዘይሕለወልና?
8

 ሕዚ መፂእኹም እንታይ ኣሎ ምባልኩም ፅቡቕ እዩ፤ ክሳብ ሕዚ ግን ክትዝንግዑ ኣይግባእን ነይሩ፤


Page

 ንሕና ግዝያዊ ፖሊስ ኢና ምኽንያቱ መለለይ መንነትና እውን ግዝያዊ እዩ ዝብል ንምንታይ ዘይትስንዩና፤

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ኣብ ፖሊስ ዝካየዱ ኩሎም ዓይነት ምልመላታት መራሕቲ ዝደልይዎ ሰብ ፀዊዖም እዮም ናብዙይ
ተመደብካ ወይ ተሸይምካ ዝብልዎ ሓፋሽ ዝህቦ ሪኢቶ የለን፤ ዘይንኣምነሎም ውልቀ ሰባት ናብ ሓላፍነት
ዝወፁ ኣለው።
 ቆልዑ ዘለውኹን ወይ ለየቲ ኣብ ዋርድያ ሕደራ ዘይትወፃ እንተኾይንኽን ናብ ዝደለኽንኦ ኽዳ ተባሂልና፤
መንግስቲ ተቐቢልና ኣብዙይ ግን መስርሒ ባይታ ኣይረኸብናን።
 ውዳበ ፎሮም ማ/ሰብ ዝበሃል ቅድሚ መርድእ ዝተወሰነ ተጀሚሩ ነይሩ ሕዚ ግን የለን ደው ኢሉ እዩ።
 ፎርጂድ መለለይ መንነት ዘለዎም ውለቀ ሰባት ሒዝና ንኣስር እንተይ ወዓለ እንተይ ሓደረ ብኣባላት
ምፅራይ ይፈታሕ ኣሎ፤
 ተጋደልቲ ኮይንና ናይ ተጋደላይ እርከን ዝተኸልከልና ኣለና ዝብሉ ኣለው፤
 ዝውውር ክፍቀድ ኣለዎ ንምንታይ ይኽልከል? ናይ ቤተሰብና ፀገም ኣብ ግምት ብምእታው ክፍታሕ ኣለዎ።
5.5. ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ 29/02/16 ዓ.ም

ሀ. ኩነታት እሱራት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ፦

 26 እሱራት ኣለውዎም፣
 01 ሰብ 5 ተ ወርሒ ዝፀንሐ፣ 01 ሰብ 4 ተ ወርሒ፣ 01 ሰብ 3 ተ ወርሒ፣ 08 ሰብ ሓደ ወርሒ፣ 09 ሰብ 3 ተ
ሰሙን፣ 01 ሰብ 2 ተ ሰሙን እቶም ኻልኦት 01 ሰሙንን ትሕቲኡን እዮም።
 01 ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቐረበ እዩ፤
 ፖሊስ ዘይሕጋዊ ሽጉጥ ኣዕሚሩ ሰብ ክወቅዕ ዝግልገል ዝነበረ ምስ ሽጉጡ ኣረኪብናዮም ንዕኡ ለቒቆም
ካልኦት 6 ተ ሰባት ወቒዕኽምዎ ብዝብል ምኽንያት ተኣሲርና ንርከብ።
 ብዕለት 4/11/2015 ዓ/ም ብሰብኣዊ ሓገዝ ምጥፍእፋእ ተጠርጢርካ ተባሂለ ተኣሲረ ናብ ፀረ ግዕዝይና
ኢሎም መሪሐምዎ ኣየቕፅዕን ምስ በሎም ናብ ዓቓቢ ሕጊ መሪሐምዎ ኣለው፤ ኣነ ፍትሒ ሲኢነ ኣለኹ
ዝብል ውለቀ ሰብ ኣሎ። ሕዚ ድማ ምስቲ ናተይ ክሲ ዝተኣሳሰረ 6 ተ ሰባት ተወሲኾም ይብለኒ ኣሎ
ፖሊስ፤ ፍፍትሒ ጠፊኡ ኣሎ።
 ብሓንቲ ገበን ዝተጠርጠርና ክልተ ሰባት ቀዳማይ ተኸሳሲ ኣብርሃ ዝበሃል ብዓርሰ ውሕስና ፖሊስ
ለቂቕዎ ንሓጎስ ካልኣይ ተኸሳሲ ግን 50‚000 ብር ብውሕስና ኣትሕዝ ተባሂለ ይብል፤
 ናይ ሽንቲ ቤት ፀገም ኣለና፤
 ምግቢ ንፅገም ኣለና ንመዓልቲ 4 ተ ባኒ እዩ ዝቐርበና መጠኑ ግን ካብ 50 ግራም ንታሕቲ እዩ፤

ለ. ናይ ኣባለት ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ሓሳብ፦


9
Page

 ኣብ ኣኼባ ዝተረኸበ ሓይሊ 16 ተ ሰብ፤

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ዘለና ሓይሊ ሰብ ውሑድ እዩ፤ 01 ንኡስ ወረዳ እውን ኣለና ፤


 ኮሚሽን ብዛዕባ ስንብት እንታይ ይሓስብ? ድልየት ዘይብሉ ሰብ ብዙሕ እዩ ንምንታይ ዘይከይድ?
 ዘለና ፀገም ተራእዩ ዝውውር ንምንታይ እዩ ዘይፍቀድ፤
 ሓደ ዘይንኣምነሉ ትሕቲ ኣባላት ዝኾነ ሓደ ኣባል ኣመራርሓ ክቅፃዕን ክወርድን ዝግበኦ ናብ ካልእ
ወረዳ ክዘዋወር ተገይሩ ትክክል ኣይኾነን።
 ኣብ ምልመላ ብወረ እንተዘይኾይኑ ብተግባር ኣይንፈልጥን፤ መራሕቲ እዮም ዝውድእዎ።
 ኣብ‘ዚ ዓብይ ወረዳ 2 ተ ትራፊክ ጥራሕ እዩ ተመዲቡ ዘሎ እኹል ኣይኾነን፤
 ነባራት ፖሊስ ኢና ድሕሪ ሰነ 21/2013 ዓ/ም ናብ ላጪ ክንጋደል ከይድና ተመለሱ ተባሂልና ሐዚ
ኣይተጋደልኩምን ተባሂልና፤ ኣብ 2014 ዓ/ም ዝዋሃብ ዝነበረ ረዲኤት እውን ኣይምልከተኩምን
ተባሂልና ተከልኪልና ኢና።
 እኹል ቤት ፅሕፈትን መንበሪ ገዛን የብልናን ብስራሕ ዘይጣዓዕሙ ከይዲ ስራሕቲ ኣብ ሓንቲ ገዛ
ኮይንና ንሰርሕ ኣለና፤ መደቀሲና እውን ንሳ እያ።
 ሽንቲ ቤት የብልናን እቲ ዘሎ ንላዕሊ ፈንዲኡ ንጥዕናና ጠንቂ ኮይኑ ኣሎ፤
 ናይ ፅሕፈት መሳርሒ የብልናን፣ ብልመና ኢና ንሰርሕ ዘለና፤
 ሓደ ኣባል መሃያ ዝተኣገደ ኣለና ድሕሪ 2 ተ ወርሒ ተመሊሱሉ እዩ፤
 ኩሉ ሰብ ኣብ ዝለመዶን ኣብ ዝፈልጦን ስራሕ ዘይምምዳብ ፀገም ኣሎ፤
5.6. ዞባ ምዕራብ ኣባላት ፖሊስ 29/02/16 ዓ.ም
 ኣብ ኣኼባ ዝተሳተፉ ኣባላት ፖሊስ 45 ሰብ፤ ኮሚሽን በቢ ሞይኡ ንታሕቲ እናወረደ እንተዝድግፍ፤
 ኣብ ሽረ ተፀጊምና ኣለና ተጠርጠርቲ ኢድ ብኢድ ንሕዝ ብዋሕስ ይወፁ ኣለዉ፤ መን እዩ ምስ
እግዚቢቶም ዝተትሓዙ ዋሕስ ዝፈቅድ ዘሎ?
 ዝውውርን ቅያርን ክፍቀድ ኣለዎ፤ ክልተ ሰባት ተመሳሳሊ ስራሕ ዘለዎም እንተተስማሚዖም
ዘይቀያየሩ ንምንታይ እዩ ዝኽልከል ዘሎ?
 ኣብ ገሊኡ ግን ነናብ ዝመረፅዎን ዝጥዕሞምን ዝቅየሩ ኣለው፤ ንምንታይ እዩ ዝፈላለ ዘሎ?
 ምፅራይ ገበን፣ ትራፊክን ሓበሬታን ክትትልን ናይ ዓቅሚ ፀገም ኣሎ፤ እቲ ፀገም ንምፍታሕ እንታይ
ዝተሓሰበ ኣሎ?
 ኣብ ደጀን ዝፀናሕና ፖላዊስ ማዕረ ምስቲ ካልእ ክንወዳደር ኣይካኣልናን ክንግለል ተገይርና ይብሉ።
 ነባራት ፖላዊስ ኣሽሓት እናበልዐ ኢሉ ንምፍልላይ ዝፅዕር ውለቀ ሰብ ኣሎ ክስተኻኸል ኣለዎ
ኣይረዳድኣን ክብትነና እዩ።
10

 መንግስቲ ሰራሕተኛ እንታይ እዩ ዝሕሰብ ዘሎ? ክፍታሕ ኣለዎ ክኸይድ እውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ
Page

ኣልዒሎም።

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ንገሊኡ ኣብ ገዝኡ ትምድብዎ ነቲ ካሊእ ድማ ትኽልክልዎ ኣለኹም፤ ትክክል ኣይኾነን።


 ኩነታት ምዕራብ እንታይ እዩ ዘሎ? ግልፂ ይኹን፤ ወይ ውሰዱና ወይ ናብ ክንሰርሐሉ እንኽእል
መድቡልና ዝብል ሓሳብ ኣቅሪቦም።
 ናይ ፉሉይ ሓይሊ መሃያ 2013 ዓ.ም ንምንታይ ዘይወሃበና?
 ኣብ ሽረ እሱራት ምጥፋእ ኣሎ እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት ዝብል ሓሳብ የልዕሉ፤ ሽረ ፖሊስ
ኣይጣዓየን ብዝብል እዮም ዝገልፅዎ።
5.7. ከተማ ዓድዋ ካብ እሱራትን ኣባላትን ዝቐረበ ሓሳብ ዕለት 30/02/16 ዓ.ም

ሀ.ኩነታት እሱራት ከተማ ዓድዋ

 ሕዚ ዘለዉ እሱራት በዝሒ ተባዕታይ 50 ኣንስታይ 2+ ሰብ ድምር 52 ሰብ ኣለዉ፤


 ሓደ ሰብ 8 ተ ወርሒ፣ 4 ተ ሰብ 3 ተ ወርሒ፣ 6 ተ ሰብ 1 ደ ወርሒ፣ 1 ደ ሰብ 3 ተ ሰሙን፣ 1 ደ ሰብ 2 ተ ሰሙን
ካልኦት ሓደ ሰሙንን ካብኡ ንታሕትን ዝፀንሑ እዮም።
 9 ተ ሰብ ንፖሊስ ቃሎም ዘይሃቡ ኣለዉ፤ 6 ተ ሰብ ሓደ መዓልቲ ዝፀንሑ 3 ተ ሰብ 2 ተ መዓልቲ ዝፀንሑ
እዮም።
 10 ተ ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀረቡ ኣለዉ፤

ዘቅረብዎም ሓሳባት

 ፍትሒ የለን፣ ዘውድቕን ኣስሚን ሕማም ኣለኒ ዝፈትሐለይ ሲኢነ ኣለኹ ዝብል ውልቀ ሰብ ኣሎ፤
 መሰልና ኣይሕለወልናን ኣብ ደገ እንትንታሓዝ ኩሉ ናይ ፀጥታ ሓይሊ ይወቅዐና ኣብ ጣብያ ምስ
ኣተና እውን ንውቃዕ ኣለና፤
 ንጠሚ ኣለና፤ ኣብ መዓልቲ 5 ተ ባኒ ተባሂለን እየን ዝመፃ መጠኑ ግን ካብ ሓደ ጉላሶ ዝዓቢ ኣይኾነን።
 ናይ 12 ክፍሊ ተማሃራይ እየ ትምህርቲ ኣቋሪፆም ኣሲሮምኒ ኣለው ንምንታይ ምዃኑ ኣይፈልጥን
ዝብል ውልቀ ሰብ ኣሎ፤ ፖሊስ ግን 6 ተ ሰብ ኮይኖም ንሓንቲ ጓል ሰለዝደፈሩ እዮም ይብል።
 ድኻታት ኢና ውሕስና ካብ ዓቅምና ንላዕሊ ኣትሕዙ እናተብሃልና ኣብ እሱር ቤት ንነብር ኣለና
ዝብሉ ልዕሊ 3 ተ ሰባት ኣለው።
 ካብቶም እሱራት 7 ተ ሰብ ተወቂዕና ዝብሉ ኣለው፤
 9 ተ ተጋደልቲ እሱራት ኣለውዎም፤ ካብዚኦም ሓደ ሰብ ኣብ ሰራዊት ዘሎ፣ 3 ተሰብ ብስንብት
ዝወፁ፣ 5 ተ ሰብ ሰሊሞም ዝመፁ እዮም።
11
Page

ለ. ኣባላት ፖሊስ ከተማ ዓድዋ

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ኣብ ኣኼባ ዝተረኸቡ 56 ኣባላት እዮም።

ዘቅረብዎም ሓሳባት

 ዓቅሚ መዕበይ ስልጠናታት ክወሃበና ይግባእ ልዕሊ ዓመት ኣብ ስራሕ ፀኒሕና ክሳብ ሕዚ ኮሚሽን
ሱቕ ክብል ኣይግባእን ነይርዎ።
 ሓይሊ ሰብ ዋሕዲ ኣለና፣ ተፀጊምና ካብ ዓቅምና ንላዕሊ ኢና ንሰርሕ ዘለና፤
 ስንብት ክፍቀደልና ኣለዎ፣ ደቅና ማሓዝቶም እናተምሃሩ ንሳቶም ሰኣን ኣቦ ዘምህሮም ሲኢኖም
ኣለው፤
 ዝውውር ከም ድልየትኻ ክኸውን ኣለዎ፣ ተዓፂና ኢና ዘለና ክፍታሕ ኣለዎ።
 ኣብ ኣተሓሕዛ ጥርጡራት ፍትሒ የለን፣ ቤት ፍርዲ እውን ይለቆም ኣሎ።
 በጀት የለን እንተይበላዕና 24 ሰዓት ንሰርሕ ኣለና ተፀጊምና ኢና ዘለና፤
 ኮሚሽን ካብ ላዕሊ መፂኹም ምስ ጥርጡራት ንምንታይ ትራኸቡ እንታይ ደልኹም እዩ? ትኽክል
ኣይኾነን ዝብል ሓሳብ እውን ኣቕሪቦም።
 ኪኢካታትን ኣመራርሓን ናይ ዓቕሚ ፀገም ኣለዎም ብቁዓት ኣይኾኑን፤
 ተምሃሮ ኣለና ምሓዙትና ናብ ትምህርቶም ይምለሱ ኣለው ንሕናኸ እንታይ ኢና ንኸውን?
ዝተሓሰበ ነገር ኣሎዶ?
 ኮሚሽን ፖሊስ ጨቁኑ እዩ ሒዙና ዘሎ ንምንታይ ዓድና ዘይትሰዱና? ደንቁርና ንነብር ኣለና።
 ጥሩጡራት ምስ እግዝቢትን መረዳእታን ንሕዝ ቤት ፍርዲ ይለቅቕ ሕጊ ክመሓየሽ ኣለዎ።
 እንዳ ሓሺሽ፣ ሽሻን ጫትን ፍሉይ ሕጊ ክወፀእ ይግባእ፤ እንተዘይኮይኑ ሓዱሽ ወለዶ ይበላሸ ኣሎ
እንተዝሕሰበሉ ፅቡቕ እዩ።
 ኣብ ግንባር ዘሎ ነባር ፖሊስ ንምንታይ ዘይመፅእ ኣብ ስራሕትና ዓብይ ክፈተት ይረኣ ኣሎ፤
 ዘይተጋደሉ ነባራት ፖላዊስ ደረጃ ቀኒሶም እውን እንተኾነ ክኣትዉ ዘይንገብሮም ንምንታይ?
 ናይ መፅንሒ ግዜ እርከን ገና እዩ ተባሂልና ዝተኸልከልና ኣለና።
 ቅድሚ ኩነታት በቢብርኩ ናይ ስልኪ ተባሂሉ ንስራሕ ይምደብ ነይሩ ሐዚ ንምንታይ ተኸልኪሉ?
 ቤት ፍርዲ ባዕሉ ይፈትሕ እንገና ክትሓዙ ይእዝዝ ተፀጊምና ኣለና፤
12
Page

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 እዚ ሐዚ ዝኽፈል ዘሎ ናይ ፖሊስ መሃያ እናበላዕና ክንሰርሕ ኣይንኽእልን፣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ


ኣፈላላይ እውን ትኽክል ኣይኮነን፤ በሓደ ተጋዲልና መራሒ ተመራሒ ተባሂሉ ዓብዪ ናይ መሃያ
ኣፈላላይ ተፈጢሩ ንምንታይ?
 ውግኣት ኣለና ኣብ ፖሊሳዊ ስራሕ ንፅገም ኣለና፣ መፍትሒ ክመፅእ ይግባእ፣
 ኣብ ፌዴራል ትካላት ዝሰርሑ መንግስቲ ሰራሕታኛታት ተሰናቢቶም ናይ ትግራይ መንግስቲ ስራሕ
ዝነበረና እውን ክንሰናበት ይግባእ፤
 ንሕና ፖሊስ ዲና ተጋደልቲ ግልፂ ይገበረልና፤
 ኮሚኒቲ ፖሊስ ኣብ ካልኦት ዞባታት ኣሰልጢንኩም ንሕና ኣይሰልጠናን ንምንታይ ኣፈላላይ
ተፈጢሩ? ኪዱ ተባሂልና ኢና ተመዲብና ዘለና፤
 ናይ ትራስፖርት ፀገም ንምንታይ እዩ ዘይፍታሕ? ከመይ ገይርና ኢና ፖሊሳዊ ስራሕ ክንሰርሕ?
 ጉርዲ ቀሚሽ ኣምፂኢኹም ንስራሕ ተፀጊምና ምጉያይ ኾነ ምሓዝ ኣይትኽእልን፤
 ኣብ ትልምኹም ዘይፍፀሙ ሽቶታት ተወፂኡ ንኣብነት ናይ ምክልኻል ዓቕምና ናብ 80% ይዓቢ
ዝብል ትኽክል ኣይኮነን፣ ኣይካኣልን፤
 ወረዳ ፋይናንስ ካብ ሕዳር ወርሒ ጀሚሩ 850 ብር ንመንግስቲ ሰራሕተኛ ወይ ኣብ ካሊእ መሃያ
ዝኽፈሎ ኣይንኽፈልን ወይ መምርሒ እንተልይኩም ኣምፅኡ ኢሎም ኣለው፤ ብኦዲተር
ስለዝተትሐዙ እዮም።
 ናይ ፎሮንሲክ ምርመራ ንፅገም ኣለና ናብ ኮሚሽን ዝተልኣኸ ልዕሊ 3 ተ ወርሒ ገይሩ ክሳብ ሕዚ
መልሲ የለን፤
 ናይ ኣበላት መንበርን ቤት ፅሕፈትን ተፀጊምና ኣለና፤
 ስራሕ መካየዲ የለን 30‚000 ብር ጥራሕ ንዓመት ተመዲብና ኣሎ በዚ ሰራሕ ምስራሕ ኣይካኣልን፤
5.8. ወረዳ ዓደዋ 30/02/16 ዓ.ም

ሀ. ኩነታት እሱራት ወረዳ ዓድዋ፦

 15 ተ እሱራት ኣለውዎም፤
 01 ሰብ ዓመት ዝፀንሐ፣ 01 ሰብ ወርሕን መንፍቕን ዝፀንሐ ወዲ 16 ዓመት እዩ፤
 8 ተ ሰብ ፖሊስ ቃል ዘይተቐበሎም፤
13

 9 ተ ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቐረቡ ኣለው፤


Page

 01 ሰብ ወዲ 13 ዓመት 2 ተ ሰብ ደቂ 16 ዓመት እሱራት ኣለው፤

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ተጋደለቲ የብሎሙን፤

ዘቅረብዎም ሓሳባት

 ሓደ ዓብዪ ስብኣይ ኣብ መንገዲ ሒዞሙኒ 3 ተ መዓልቲ ገይረ ኣለኹ ንምንታይ ከም


ዝተታሓዝኹ? ማንም ዝነገረኒ የለን ዝብል ኣሎ።
 ሽንቲ ቤት የለን ተፀጊምና ኣለና ኣብ በረኻ ኢና ንጥቀም ዘለና፤
 ኣደይ ኣእሲራትኒ ዝብል ሓደ ውልቀ ሰብ እውን ኣሎ፤ ሰሪቁኒ ኢላ እያ ኣእሲራትኒ
ይብል።
 ኣብ ደገ ኣባላት ሰራዊት ትገራይ ወቅዖም ጉደኣት ኣብፂሐሙለይ ዝብል ውለቀ ሰብ
ኣሎ፤
 ምስ 3 ተ ደቀይ ተአሲረ ኣለኹ እቶም 2 ተ ትሕቲ ዕድመ እዮም፤ ምስ ንኡሽተይ ሓወይ
ኣብ ታሕሳስ 21/4/2015 ዓ.ም ተባኢስና ሕዚ ብዕለት 29/2/2016 ዓ.ም ኣትሒዝኒ እቶም
ደቀይ ኣብቲ ባእሲ የለውን ሕዚ ግን ፖሊስ ኩሉኹም ተኸሰስቲ ኢኹም ኢሉ ኣኪቡ
ኣእትይና ይብል።

ለ. ኣባላት ፖሊስ ወረዳ ዓድዋ፦

ዘቅረብዎም ሓሳብ፦

 ናይ ፖሊስ ኣወዳድባ ከመይ ይሕሰብ ኣሎ? ብፍላይ ምስ መሃያ ተኣሳሲሩ እንታይ


ዝተሓሰበ ኣሎዶ? ሕዚ ዘሎ መሃያ እናበላዕኻ ፖሊሳዊ ስራሕቲ ምስራሕ ዝካኣል ኣይኮነን።
 ኮሚኒቲ ፖሊስ ተባሂልና ተመዲብና ኣብ ክፍሊት ግን ብተራ ኢና ንኽፈል ዘለና ክስተኻኸል
ይግባእ፤
 ዋሕዲ ሓይሊ ሰብና ሰፊሕ እዩ፣ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ኢና ንሰርሕ ዘለና፤
 ኮሚሽን ፖሊስ ምስ በቢብርኩ ዘሎ ናይ ምምሕዳር ኣካልን ፍትሕ ኣካላትን ዘለዎ ርክብ

እንታይ ይመስል? ፅቡቕ ርክብ እንተልይዎ እቶም ፀገማትና እናተረዳድአ ዘይፍተሐልና?


14

 ኣብዚ መወዳእታ ዝተወሃበና ሕሩጭ ፊኖ ሰብ ዝበልዖ ኣይኮነን ሓሰኻ እዩ ኣብ ነሓሰ


Page

ወርሒ ማለት እዩ፤

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ሕዚ ክልተ ወርሒ ገይርና ኣለና ምንም ነገር ካብ ዘይዋሃበና፣ መዓዝ ? መን? ከም ዝኸፍሎ
ኣይፈለጥን ኣብ ሬስትራንት እናፈረምና ንምገብ ኣለና ምግብናና ፈሪሱ እዩ።
 ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ብዝብል ተጠርጠርቲ ካብ ስራሕን መሃያን ተኣጊድና ኮፍ ኢልና
ኣለና፤ ዝብሉ ኣባላት ፖሊስ ኣለው፤
 እቶም ክሳናበቱ ተባሂሎም ተዳልዮም ዘለው ናብ ሓፋሽ ቀሪቦም ሪኢቶ ኣይተውሃቦምን።
 ኣብ ፖሊስ ድልየት ዘይብሉ ስብ ክሳናበት ይግባእ ንምንታይ ኢኹም ዓፂኽምዎ?
 ዝውውር ብሕጋዊ መንገዲ ዝተፈቀደ ክኸውን ኣሎዎ፤ ናብ ቤተሰብና ከይንዘዋወር ተዓፂና
ኢና ዘለና፤
 ናይ ወረዳ ዓድዋ ፖሊስ ኣመራርሓ መስምዒ እዝኒ ኣይነበሮን ኣባላት ኣየሳትፍን ሓሰብ
ኣይቕበልን፤
 ኤግዚቢት፣ ንብረትን ሎጅስቲክስ ኣብ ሓደ ገዛ ኮይኑ ብሓደ ሰብ እዩ ዝምራሕ፤
 ኣብ ወረዳና ድሕሪ ጉንበት 15/2015 ዓ.ም ኣኼባ ዝበሃል ገይርና ኣይንፈልጥን።
 ንብረት እንትጠፍእ ምፅራይ ኣይግበርን ንኣብነት 2 ተ ክላሽን ጠፊኡ ኣይተፃረየን፤ ካልኦት
ንብረታት እውን ይጠፍእ ኣይፃረን።
 ኮሚኒቲ ፖሊስ ጣብያታት ርሕቐት ስለዘለዎ ጥርጡራት እንትነመላልስ ንፅገም ኣለና
በጃት እውን የብልናን።
 ካብ ላዕሊ ዝለኣኽ መልኣኽቲ ብሕጋዊ ደብዳቤ ክኸውን ኣለዎ፤ ተባሂሉ ብዝብል ብወረኢና
እንሰምዕ ዘለና።
 ጥሮታ ክትወፁ ዝተባሃሉ ነባራት ፖላዊስ ገሊኡ መሃያ ይኽፈል ገሊኡ ድማ ተኸልኪሉ
ኣሎ እሞ ይስተኻኸል።
 ናይ ሕድሕድ ሰብ መበገሲ መሃያ ኣይንፈልጥን ዝርዝር እንተዝመፅእ።
 ዝተጋደልና ደቂ ኣንስትዮ እናሃለና ኣይተጋደልክንን ንበሃል ኣለና፤
 ሓበሬታን ክትትልን ቀደም ናይ ስልኪ ገንዘብ ነይርዎ ሕዚ የለን ተፀጊምና ኣለና ንምንታይ
እዩ ተቋሪፁ?
 ወረዳ ኣመሓደርትን ወረዳ ፖሊስ ኣመራርሓን ፅቡቕ ርክብ የብሎምን ስለዝኾነ እውን
15

ፖሊስ ይጉዳእ ኣሎ፤


Page

 ዝተማልአ ክዳን የብልናን ስርዓት ንምትሓዝ ንፅገም ኣለና፤

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ዝኾነ ዓይነት ፖሊሳዊ ዕጥቂ የብልናን ተፀጊምና ኣለና።


5.9. ከተማ ዓዲ ግራት 01-02/03/16 ዓ.ም

ሀ. ኩነታት እሱራት ከተማ ዓዲ ግራት፦

 50 ተባዕታይ 01 ኣነስታይ ድምር 51 እሱራት ኣለውዎም።

 01 ሰብ ዓመት ዝፀንሐ፣ 6 ተ ሰብ 6 ተ ወርሒ ዝፀንሑ፣ 2 ተ ሰብ 4 ተ ወርሒ ዝፀንሑ፣ 3 ተ

ሰብ 2 ተ ወርሒ ዝፀንሑ፣ 3 ተ ሰብ 1 ደ ወርሒ ዝፀንሐ፣ 2 ተ ሰብ 3 ተ ሰሙን ዝፀንሑ


ካልኦት ሰሙንን ካብኡ ንታሕትን ዝፀንሑ እዮም።
 7 ተ ሰብ ንፖሊስ ቃሎም ዘይሃቡ ኣለው፤

 16 ተ ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀረቡ ኣለው፤ ካበዚኦም 3 ተ ሰብ 48 ስዓት ዝሓለፎም

እዮም፤
 10 ተ እሱራት ተጋደልቲ ኣለው፤ ካብዚኦም 2 ተ ሰብ ኣብ ሰራዊት ዘለዉ፤ 4 ተ ሰብ

ብስንብት ዝወፁ እዮም 4 ተ ሰብ ካብ ሰራዊት ሰሊሞም ዝተመለሱ እዮም 2 ተ ሰብ


ኣባላት ፖሊስ እዮም።
 ሓንቲ ሰበየቲ ወ/ሮ ማቻ መሓሪ ትበሃል ቅድሚ 6 ተ ወርሒ ማዓርግ ዝበሃል ኮሚኒቲ
ፖሊስ ወቅዕኒ እዩ። ትማሊ ማለት ዕለት 01/03/ 2016 ዓ.ም ሓደ ወዲ ወቂዕኒ ጎረባብቲ
ተሓባቢረን ክሕባእ ገይረን ከም‘ዚ ዝመሰለ ፀገም በፂሑኒ ኢለ ናብ ኮሚኒቲ ፖሊስ
ማዓርግ ከይደ ተቐቢሉ ኣሲሩኒ እሞ ገዛ ሃህ ኢሉ ሰለዝኾነ ክዓፅዎ ኢለ እውን
ኣይትዓፅውን ኢሉኒ ኣብዙይ ኣብ ጣብያ ምስ ኣተኹ እውን ገዛ ክዓፅዎ ሰብ ገይርኩም
ስደዱኒ ኢለዮም ኣይተቐበሉንን፤ ንምንታይ ከም ዝኣሰሩኒ እውን ዝነግረኒ ሰብ የለን
ትብል፤ ፖሊስ እውን ብቑዕ መብርሂ የብሉን። ናብ ሕክምና ክኸይድ እውን ተኸልኪለ
ትብል።
 ናብ ሕክምና ውሰዱና ኢልና ዝሰምዐና ሰብ የለን ኢሎም የማርሩ፤
 ብእዋኑ ናብ ቤት ፍርዲ ክንቐርብ ኣይንግበርን፤
 ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ ምፅራይ ይፍትሽ እዩ፤
16

 ናይ ምግቢ ፀገም ኣለና 6 ተ ባኒ ኣብ መዓልቲ ይቐርብ እዩ ግን እኹል ኣይኮነን መጠኑ


Page

ንእሹተይ እዩ፤

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ሻወርን ሽንቲ ቤትን ፀገም ኣለና ክፋታሕ ኣለዎ፤


 ኣርሚ 15 ኣብ ደገ ንኹሉ ዝሕዝዎ ሰብ ይቅጥቅጥዎ ኣለው ስርዓት ክሕዙ ይግባእ፤
 መርመርቲ ፖሊስ ይዋቅዑ እዮም፤
 ኣብዚ ኩሉ ነገር ብገንዘብ እዩ ዝስራሕ ዘሎ ፍትሒ የለን፤ ገንዘብ ዘለዎ ይወፅእ ገንዘብ
ዘይብሉ ግን ተኣሲሩ ይነብር ኣሎ።
 ሞይቱ ዝቐነየ ሰብኣይ አብ ዒላ ኣትዩ ረኺብናዮ ኣብኡ ኮይና ንፖሊስ ፀዊዕና ክንዲ
ሓበሬታ ዝሃብና ተኣሲርና ይብሉ 2 ተ ሰብ፤
 ቤተሰብ ኮይነ ክንዲ ዝተሓበርኩ ብጭውያ ቆልዓ ጠርጢርኩም ኣሲርኩሙኒ ትኽክል
ኣይኮነን ቤተሰብ እዩ ኣዋፊርኒ ይብል ገብረሊባኖስ ፖሊስ ካብ ቀዳማይ ወያነ ፖሊስ
ዝተኣሰረ እዩ።
 ምስ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ ገዛ ኮፍ ኢልና እናሃለና ሞባይል ወሲድካኒ ኢሉኒ
ኣይወስድኩኻን እንተጠርጢርካኒ ግን ናብ ፖሊስ ንኺድ ኢልና ብሓደ መፂእና፤ እንታይ
ደሊኹም? ኢሉና ፖሊስ ሞባይል ሰሪቕኒ ምስ በሎ ካሊእ ዘረባ እውን ኣይተዛረበን ንዓ
ውፃእ ናብዙይ ኢሉ ቀጥቂጥኒ ይብል ሓደ ውልቀ ሰብ፤
 ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ጣብያ ምስ ኣተና ብፖሊስ ንውቃዕ ኣለና ዝበሉ 6 ተ ሰባት
ኣለው፤
 ውሕስና ንክልኸል ኣለና ኢሎም ዘልዓሉ እውን ኣለው፤

ለ. ኣባላት ፖሊስ ከተማ ዓዲ ግራት

 ዝተረኸበ ሓይሊ ሰብ ተባዕታይ 36 ሰብ ኣነስታይ 4 ሰብ ድምር 40 ሰብ ተረኺቡ፤

ዘልዕልዎም ሓሳባት

 ዝውውር ንምንታይ ተዓፅዩ? ኣብ ፀገም ኣለና፤


 ናብ ቤተሰብ ፍቃድ ከይንኸይድ ተኸልኪልና ኣለና፤
 ቀለብ /በጀት/ ንምንታይ መፍትሒ ዘይግበረሉ? ናብራ ከፊኡና ካብ ዓቕምና ንላዕሊ
17

ኮይኑ ኣሎ፤
Page

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ክዳን እቲ ዝመፀ እኹል ኣይኮነን ብሓደ ቅያር ስራሕ ክንሰርሕ ኣይንኽእልን፤ ጫማ


ጠቐሊሉ የለን ንምንታይ ዘይፍታሕ?
 እኹል ሓይሊ ሰብ የብልናን ውሑድ እዩ ንምንታይ ዘይማላእ?
 ዕጥቅና ብዙሕ ጉድለት ዘለዎ እዩ፤ ክማላእ ይግባእ፤
 ናይ ኮሚሽን ፖሊስ ስትራክቸር ወይ ኣወዳድባ ንምንታይ እዩ ግልፂ ዘይትገብርዎ?
 ኮሌጅ ተመረቕቲ ተፈቒድልና ኣሎ ከመይ ኢና ክንገብር? ቀለብ ገዛ ክራይ ወዘተ….፤
 ኣብ ፖሊስ ክንቕፅል ድልየት የብልናን ዘይተሰናብቱና ዝብል ሓሳብ ብዙሓት የልዕልዎ፤
 ስራሕ መካየዲ የለን ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ዝንቀሳቐሱ መገደድቲ ኣባላት እንተይተረፈ
ብናይ ባልዕሎም ወፃኢ እዮም ዝሰርሑ ዘለው፤ ንምንታይ ዘይፍታሕ?
 ስቪል ሰርቫንት ብዙሓት ኣለና እዚ ትካል ምንም ዝገብረልና የለን። ቀደም ዝነብርናዮ
ትካል እዩ መሃያ ዝኸፍለና ዘሎ እሞ ዘይትሰዱና። መፍትሒኸ ኣለዎዶ? ወይ ከመኡ
ኢልና ኢና ክንቕፅል ዝብሉ ሓሳባት ብስፍሓት ኣልዒሎም እዮም። ገሊኦም ድማ ንሕና
ስለንኸይድ ኮሚኒቲ ፖሊስ እቶም ካልኦት ክኣትዉ ምእንታን ኣይንኣቱን ኢልና ኢና
ክሳብ ምባል ውርድ ዝበለ ዘረባ የቕርቡ።
 ጥሮተኛታት ኣለው ኣብ ፖሊስ ንምንታይ ይኣትዉ?
 ናብራ ሰራዊት ብ 850 ብር ከመይ ክምራሕን ክስራሕን ይኽእል?
 ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ መሃይኡ እናበልዐ ኩሉ ግዜ ይለዓል ኣሎ። ኣብ ውለቀ ትካላት
ተቆፂርና እንሰርሕ ዝነበርና ግን ሎሚ ምንም የብልና ቤተሰብና ኣብ ዓብዪ ፀገም
ይርከቡ። እንታይ እዩ መፍትሒኡ?
 እዚ ትካል ንኣባላቱ ውሕስና ይወስድ ድዩ? 7 ተ ኣባላትና ምንም መረጋገፂ ብዘይብሉ ኣብ
ቤት ህንፀት ኣትዮም ኣለው። ንሕና ንባዕልና እውን ስራሕና ብትግሃት ኣይኮንናን
ንሰርሕ ዘለና ሓደ ነገር እንተጋጥም ዘድሕነና የለን ኢልና ንፈርሕ ኣለና። ንምንታይ
ኢኹም መፍትሒ ዘይትገብርሎም? እዞም ብፆት።
 መሃያ ኪኢላታት ንምንታይ ዘይስተኻኸል? ካበቲ ቀደም ዝነበሮ ክንልወጥ እንታይ
ምክንያት ኣለና?
18
Page

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 በቢ እዋኑ ዝካየድ ዕብየት ከመይ ምዃኑ ኣይንፈልጥን ናይ ሓፈሻ ተሳትፎ ዝበሃል የለን።
ዝካየዱ ምልመላታት ብሕብሕብኢተይ እዩ ዝካየድ፤ ንምንታይ እዩ ከምኡ ዝኸውን
ዘሎ? ዝደልኻዮ ሰብ ምጉታት እዩ ዘሎ።
 ኮሚሽን ፖሊስ ኣብ ህንፀት ሰራዊት እነታይ ይሰርሕ ኣሎ? ብቐፃልነት ከ እንታይ
ዝተሓሰበ ኣሎ?
 ዝተሓዋወሰ ኣታሓሳስባ ዘለዎ ፖሊስ እዩ ዘለና፤ ፅሬት የብሉን። ክፍተሽን ክፍታሕን
ኣለዎ።
 ተጋዳላይ ፖሊስ እናተባሃልና ኢና ንቕፅል ዘለና መልክዕ ክሕዝ ኣለዎ።
 እቲ ፀገም ዘለዎ ተጋደላይ ንምንታይ ዘይትፈትሕሉ?
 ጥሮታ ክወፁ ዝደልዩ ንምንታይ ዘይፍቀደሎም?
 ናይ ትምህርቲ ዕድል እንታይ ይሕሰብ ኣሎ? ንዕንፀል ኣለና ግዜና ይሓልፍ ኣሎ።
 ዓቅሚ መዕበይ ስልጠናታት ንምንታይ ዘይወሃብ? እንታይ ከ ዝተሓሰበ ኣሎ?
 ኪኢላታት የብልናን፣ ማለት ምፅራይ፣ ትራፊክ ወዘተ… ናይ ዓቅሚ ፀገም ኣሎ፤ ናይ
ቅንዕና ፀገም እውን ኣሎ።
 ኣብ ኣባላትና ናይ ስነ-ምግባርን ስነ-ስርዓትን ፀገም ኣሎ፤ እዚ ንምፍታሕ እንታይ
ዝተታሐዘ ኣሎ?
 ዝለዓሉ ሕቶታት ቅልጡፍ መልሲ ሰለዘይውሃብ ክሳብ ሕዚ 12 ኣባላት ጠፊኦም ወይ
ሰሊሞም ኣለው።
 ፖሊስና ኣብ ሓደ ገዛ ተወዲቡ ከይንነብር ገዛ የለን፤ እንታይ ይሕሰብ ኣሎ?
5.10 . ወረዳ ጋንታ ኣፈሽም 01-02/03/16 ዓ.ም

ሀ. ኩነታት እሱራት

 18 እሱራት ኣለውዎም፤

 1 ሰብ 6 ተ ወርሒ ዝፀንሐ፣ 4 ተ ሰብ 3 ተ ሰሙን ዝፀንሑ፣ 2 ተ ሰብ 2 ተ ሰሙን ዝፀንሑ

እቶም ካልኦት ሓደ ሰሙን ካብኡ ንታሕትን ዝፀንሑ እዮም።


19

 5 ተ ሰብ ንፖሊስ ቃሎም ዘይሃቡ እዮም፤


Page

 4 ተ ሰብ ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቐረቡ እዮም ካበዚኦም 1 ኤርትራዊ እዩ፤

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 እቲ ኤርትራዊ ሓደ ሰሙን ደለላ ዓፅዩ እናፈራረሐኒ ቀኒዩ እዩ ይብል፤


 ኣዳነ ኣብዙይ ኣዛዚ እናሃለወ 12.000 ብርን SQ ሞባይል ምስ ቻርጀሩ ሂበዮ ድሓር
ገንዘብ ተፀጊመ እሞ ሃበኒ ኢለዮ ክበካ እየ እናበለ ፀኒሑ ሕዚ ካብዙይ ምስ ከደ ሓደ
ግዜ መፂኡ ሃበኒ እባ ኢለዮ ኣይህበካን ኣይፈልጥን ኢሉኒ። ኣዳነ ኣብ መቐለ ምፅራይ
ሓላፊ ኮይኑ ተመዲቡ ዘሎ ማለት እዩ።

ለ. ኣባላት ፖሊስ ጋንታ ኣፈሹም

 ደንቢ ክዳን የብልናን አቲ ዘሎ ውሱን እዩ ሓደ ቅያር ስለዝኾነ እውን 24 ስዓት 7 ተ


መዓልቲ ክንጥቀመሉ ኣይንኽእልን። ጫማ የለን እንተዝሕሰበሉ ፅቡቕ እዩ።
 ስንብት ዝምልከት እንታይ ይሕሰብ ኣሎ? ድልየት ዘይብሉ ሰብ ኣሎ፤
 ቀለብ /በጀት/ ተፀጊምና ኣለና፤ እቲ ሕዚ ተባሂሉ ዘሎ 1350 ብር እውን እኹል ኣይኮነን፤
ክሕሰበሉ እዩ ዝግባእ።
 መሃያ ኣብ ካሊእ ስራሕ ኣብዙይ ዘለው ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣለው፤ ክፍታሕ
ይግባእ፤ ንቑፅፅር እውን ኣፀጋሚ ኮይኑ ኣሎ።
 ናይ ኪኢላታት ጥቕማ ጥቕሚ እንታይ እዩ ዝሐሰብ ዘሎ? ብፍላይ ናይ ምፅራይ
ትራፊክን ናብ ሓላፍነት ከይንወዳደር እውን ንኪኢላታት ኣይምልከትን ንብሃል ኣለና
እንታይ መፍትሒኡ?
 በቲ ዝወፀ ስትራክቸር መሰረት መልሚልና ምትዕርራይ ምስገበርና ናብ ስሩዕ መሃያ
ክንኣቱ ዲና ወይ ከመይ እዩ?
 ስራሕ መካየዲ የለን ተጋደላይ ቦታ ትወሃቦ ውስንቲ ገንዘብ ብውልቀ ይስራሕ ኣሎ
እንታይ መፍትሒ ኣለዎ እዙይ? ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ይኸውን ኣሎ።
 ዝውውር ተኣጊድና ኣብ ፀገም ኣለና፤
 ተምሃሮ ኣለና ብዛዕባ ትምህርቲ እንታይ ይሕሰብ ኣሎ? ኣብ ዓዲ ዘሎ ናብ ትምህርቲ
ይኣቱ ኣሎ ንሕና ሰለዝተጋደልና ክንመሃር ኣይንኽእልን ማለት ድዩ? ወይስ ዝተሓሰበ
መፍትሒ ኣሎ።
20

 ካብ መከላከያ ጥሮታ ወፂእና ዝነበርና ሰባት ንመኸተ ኣቲና ንምንታይ ዘይትሰዱና?


Page

መሃያ እውን ብማዓርግ ከይኸፍሉና ብተራ ፖሊስ ንኽፈል ኣለና።

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

 ብቕዓት ዘለዎ መራሒ የብልናን፤


 ካብ ወረዳ ክሳብ ጣብያ ቤት ፅሕፈት የብልናን፤ ወረዳ ኣብ ቤት ትምህርቲ እዩ ዝነብር
ዘሎ፤ ጣብያ ኮሚኒቲ ምንም የብሎምን ፀገም ኣሎ።
 ናይ ፖሊስ መበገሲ መሃያ ክንደይ እዩ?
 ዓቕሚ መዕበይ ስልጠና ንምንታይ እዩ ዘይዋሃብ?
 10 ይ ክፍል ዘይወድአ ዝብል መመዘኒ ረቛሒ ትኽክል ኣይኮነን፤ ንኣብነት ኮሚኒቲ ፖሊስ

ተገዲቡ እዩ።
 ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝርከብ ነባር ፖሊስ እንታይ ይሕሰብ ኣሎ? ኮሚኒቲ ፖሊስ ኣብ
ሓለዋ ካብ ዘሎ ፖሊስ ንላዕሊ መሃያ ንምንታይ ይኽፈል? ካባና ንላዕሊ እንታይ ሰሪሑ?
ሓቢርና ኢና ተጋዲልና።
 ብጉድኣት ክሳናበቱ ዝተባሃሉ ንምንታይ ይዝንግዕ? ቀልጢፎም ክኸዱ ኣለዎም ኣብ
ስንፍላል እዮም ዘለው።
6. እንትጠቓለል/ መደምደምታ/

ፖሊስና ከም ብሓዱሽ ካብ ዝተጣየሸ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ስራሕቲ ተዋፊሩ ተልእኽኡ


ብትግሃትን ዝለዓለ ተወፋይነትን እናፈፀመ ዝመፀ ምዃኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ መድርኽ ኣጋጣሚታት
እናተገለፀ መፂኡ እዩ። ኣብዚ ክልዓል ዝተደለየ ግን እቲ ዝሓለፈ ምድግጋም ዘይኮነስ ሕዚ ኣብ ዝተገበረ
ትዕዝብቲ ፖሊስና ምስሉ እንታይ እዩ? ዝብል ንምልዓል ሰለዝተደለየ እዩ።

ሰለዝኾነ ኣብዚ ሕዚ ዝተገበረ ትዕዝብቲ ከም መደምደምታ ኮይኑ ክርአ ዝኽእልን ዝውሰድን ብሓፂሩ
ንምቕማጥ እዩ። ፖሊስና ብሓደ ወገን ፖሊሳዊ ተልእኽኡ ኣብ ምፈፃም ብዙሓት ዝተሓላለኹን ዝተወሳሰቡን
ኣጋጣሚታት እኳ እንተሃለዉ ኩሎም ዘጋጥሙ ፀገማት ተፃዊሩ ዝተውሃቦ ተልእኾ ብዝላዓለ ወነን ህልኽን
እናፈፀመ ዝመፀን ዘሎን ምዃኑ እዩ። ብኻሊእ ወገን እንትርአ ድማ ነቶም ጥንካረታቱ ንድሕሪት ክምልሱ
ዝኽእሉ ወይ ከባላሽው ዝኽእሉ ቀለልቲ ዘይባሃሉ ናይ ስነ ምግባር ፀገምን ጉድለት ሰነ ስርዓትን ኣብ ኩሉ ከባቢ
ጎሊሆም ይረኣዩ ምህላዎም፤ ግልፂ እናኾነ ዝመፅእ ዘሎ ሓቂ እዩ። በቢ ብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ ፖሊስና ኣብ
ህንፀት ኣባላት ዘለዎ ክፍተት ሰፊሕ እዩ። ኣብ ኩሉ ከባቢታት ወይ ወረዳ ክባሃል ብዝኽእል ኣባላት ዝልውጡን
ዘረዳድኡን ናይ ህንፀት ስራሕቲ ዳርጋ የለን ክባሃል ዝኽእለ እዩ፤ ንኣብነት ኣብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሰ፣
ኣኽሱሙን ዓዲ ግራትን ኣብ ሕድሕደን ከክልተ ፖሊስ ጣብያታት ኣለወአን፤ አዘን ከተማታት እዚአን ናይ ዞባ
21

ፖሊስ ቤት ፅሕፈት ማእኽላት እየን ማለት ዞባ ንወረዳ መዓልታዊ ድጋፍ ንምሃብ ምችው እዩ። እንተኾን ግን
Page

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

ካብቲ ካሊእ ከባቢ ወይ ወረዳ ዝተፈለየ ድስፕሊንን ኣሰራርሓን ብዙሕ ዝርአ ነገር የለን። እዙይ ማለት ድማ
ናይ ወረዳ ኣመራርሓ ውስንነትጥራሕ ዘይኮነስ በቢብርኩ ዝርከብ ኣመራርሓ ዝምልከት ምዃኑ ዘመላኽት እዩ።

ኣብ ኩለን ሕዚ ዝረኣናየን ጣብያታት እሱራት ወይ ጥርጡራት ኣለው፤ ኣብ ኣታሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል


ጥርጡራት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ይርአ ካብ ዝነበረ ሰፊሕ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ገሊአን ወረዳታት ዝርአ
ምምሕያሽ ከምዘሎ ኮይኑ፤ ሕዚ እውን ንቅድሚት ከጓዓዙና ዘይኽእሉ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግለፁ ፀገማት
ኣለው። ብጥርጣረ ዝተታሐዘ ሰብ ምፅራፍ፣ ምውቓዕ፣ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝገልፅ ኣድልዎ ኣብ ልዕሊ
ጥርጡራት ምፍፃም ይርአ ኣሎ። ዝቑፀር መረዳእታ እንተይሓዝካ ውልቀ ሰባት ምእሳር ምንግልታዕ ኣገዲድካ
ዘይወዓሎ ክኣምን ተፅዕኖ ምፍጣር፣ ብሸንሸል ኣሲርካ ምስቓይ ኣሎ እዩ።

ኣብ ጥርጡራት ናይ ናብራ ፀገም ምህላው፤ እዙይ ፖሊስ በይኑ ክፈትሖ ዝኽእል ጉዳይ እኳ እንተዘይኮነ ተራ
ፖሊስ ወሳኒ ምዃኑ ተረዲእኻ ጥዕነኦም ክሕሎ ፅሬት ክህሉ ኣብ ምግባር ፀገማት ኣለው።

ኣብ ናይ ፖሊስ መፅንሒ ዝኣተው መናእሰይ ኣብ ፖሊስ ፍቅርን ምሕዝነትን ፈጢሮም ክወፁ ዘግበር ስራሕ
የለን። መናአሰይ ኢኹም ሎሚ ተጠርጢርኩም ናብ ጣብያ መፂእኹም ኣለኹም ፅባሕ ግን ወፂእኹም
ተረከብቲ ዓዲ ሰለዝኾንኩም ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኣየኹም ኢሉ ዝሃንፅን ዘረድእን ሰብ ወይ ኣመራርሓ
ውሱን እዩ። ኣታሓሕዛ ጥርጡራት ዳሃላይን ክሸማቐቑን ክፈርሑን ዝግበር ኣካይዳ ጎሊሁ ዝር ተግባር ፖሊስና
እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ክፍታሕ እንተዘይኪኢሉ ምስ ጠቕላላ ህዝብና ዘባእስን ክንረሓሐቕ ዝገብርን ተግባር
ከም ዝኾን ምርዳእ የድሊ።

7. ኣብ ህንፀት ኣባላት ፖሊስ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ዘሕድሩ ዘለው ተግባራትን ኣታሓሳስባን


7.1. ሕዚ መኸተ ተወዲኡ እዩ ሰብ ነናብ ዝደለዮ ይኺድ ዝብል ቑፅሩ ኣብ ዘይናዓቕ ኣባልና ይርአ ምህላው፤
እቶም ዘልዐልዎም ኣባላት ጥራሕ እንተይኮነስ ነዚ ዝሰምዕ ኣመራርሓ ይኹን ኣባል ክፉእ ኣይተርእየኒ
ዝዓይነቱ ስቕ ኢሉ ዝሓልፍ ምዃኑ እዩ።
7.2. መሃያ ስለዝወሓደ ኣብ‘ዚ ፖሊስ ኮይንና ክንቕፅል ኣይንኸእልን ዝብል ሓሳብ ዳርጋ ብኹሉ ዝለዓል
ኮሚሽን ይኹን መንግስቲ ትግራይ ኣብ‘ቲ ብፌዴራል ዝተቐመጠ ስኬል መሃያ ውሽጢ ኮይኖም
ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዘረድእን መብርሂ ዝህብን ሰብ ብዘይምህላው ኩሉ ሓታታይ ኮይኑ ይርከብ፤ ትማሊ
ምስኡ ኣብ ግንባር ዝነበረ ሕዚ ኣበይ ከምዘለውን ዘይርኢ ኣታሓሳስባ ኣብ ኣባላት ፖሊስና ተደጋጋሙን
ጎሊሁን ዝለዓል ዘሎ ሓሳብ ምዃኑ።
7.3. ናብራ ኣባላትና ዘይምዕሩይ ምዃኑ ኣብ ኩሉ ወረዳታት ካብ መስከረም ንደሓር ቀለብ ኣይተውሃቦን፤ ኣብ
ገሊኣን ወረዳታት በቲ ናይ ወረዳ ኣመራርሓ ናይ ምትዕፅፃፍ ተኽእሎ ዝውሰን ኮይኑ፤ ገንዘብ እናዋፅኡ ኣብ
22

ሓደ ዝምገብሉ ኩነታት ኣሎ። ኣብ ገሊኡ ወረዳ ድማ ሰብ ተበታቲኑ ናብራ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኮይንዎ
Page

ኣብ ዝመሸየካ ሕደር ዝዓይነቱ ኮይኑ ይርከብ፤ አዚ ድማ ሓደ ኣብ ህንፀት ኣባላትና ዘሕድሮ ኣሉታዊ

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

ተፅዕኖ ገዚፍ ምዃኑ፤ ካልኣይ ተልእኾ ፖሊስ ኣብ ምፍፃም እውን ኣብ ዝደለኻዮ ስዓት ተዋፍሮን ትእዝዞን
ዘይኮነስ ኣብ ቆፀሮ ስዓት ዝርከብ ኣባል ክኸውን ይግበር ምህላው፤ ሳልሳይ ኣባልና ከማርር ናብራ ፖሊስ
ከፅልኦ ናይ ባዕሉ ኣሉታዊ ኣስተዋፅኦ ይገብር ምህላው እዩ።
7.4. ናይ መንበር ገዛን ቤት ፅሕፈትን ፀገም ሰፊሕ እዩ፤ ኣብ ገሊኦም ቤት ፅሕፈታት ዘይጠዓዐሙ ነገራት ኣብ
ሓደ ቦታ ዝገብሩ ኣለው። ከምቲ ልዕል ኢሉ ኣብ ወረዳ ዝተገለፀ ኤግዚቪት፣ ናይ ኣባላት ንብረትን
ሎጂስቲክስን ባዕሎም ንባዕሎም ክጣፍኡ ዝኽእሉ ኣብ ሓደ ገዛ ንሓደ ሰብ ሓላፍነት ምሃብ ኣሎ።
ኣባላትና ቅድም ክብል ኣብ ዝኾኑ ቤት ፅሕፈታት ስራሕ ስለዘይጀመሩ ተፀጊሞም ይነብሩ ነይሮም፤ ሎሚ
ኩሎም ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ስራሕ ይጅምሩ ስለዘለው ውፃእ እናተብሃለ ይንጋላታዕ ኣሎ። ወረዳ
ኣመሓደረቲ ተኻረዩልና ዝብል ሕቶ እንትቀርበሎም እውን ገንዘብ የብልናን ዝብል መልሲ እዩ ዝወሃብ
ዘሎ፤ እዚ ክፍታሕ እንተዘይኪኢሉ ንፖሊሳዊ ስራሕትና ዕንቅፋት ምዃኑ ኣይተርፍን።
7.5. ኣብ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትግራይን ውለቀ ትካላት ሰራሕተኛን ዝነበሩ እውን ብዝተፈላለየ መልክዕ
ዝግለፅ ኣብ ህንፀት ኣባላት ኣሉታዊ ፅልዋ ዘሕድሩ ኣታሓሳስባታት ይረኣዩ ኣለው። ሓደ እዚ ኮሚሽን
ዝገብረልና የብሉን ትካልና እዩ መሃያ ዝኸፍለና ዘሎ ሰደዱና ዝብል እዩ፤ እቲ ዝኽፈሎ ዘሎ መሃያ ናይ
መንግስቲ ምዃኑ ዘየስተባህል ንባዕሉ እውን ኣብ ትካል መንግስቲ ምህላው ክርኢ ዘይደሊ ኣታሓሳስባ እዩ፤
ካልኣይ ንሕና ናብ ኮሚኒቲ ፖሊስ ኣይንኣቱን ሰለዘይንቕፅል፤ እቶም ካልኦት ኣባላት ይጠቐሙ ኢልና ኢና
ገዲፍናዮ ብዝብል ዝገልፅ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ መፍረሳይ ዝኾነ ኣታሓሳስባ ዝረኣየሉ እዩ፤ ሳልሳይ
ኣብ ውልቀ ትካላት ዝሰርሑ ዝነበሩ ውለቀ ሰባት መንግስቲ ሰራሕተኛ መሃይኡ ይበልዕ ቤተሰቡ የማሓድር
ኣሎ፤ ንሕና ግና ንባዕልናን ንቤተሰብና ተፀጊምና ኣብ ሓደጋ ኣለና ቤተሰብና/ደቅና/ ካብ ትምህርቲ
ተገሊሎም ኣለው በዝብል ዝግለፅ እዩ፤ ኩሎም ዝልዓሉ ሓሳባት ሓቂ ክኮኑ ይኽእሉ እዮም። ሓደ ዓብይ
ክፍተቶም ግን ሎሚ እውን ኣብ መኸተ ከም ዘለና ዘይምርዳእ ትማሊ ምስኦም ኣብ ግንባር ዝኳሻሕ
ዝነበረ እቲ ዝበዝሕ ሰራዊት ትግራይ ለሟዓንቲ እውን ኣብ በረኻታት ከርተት ይብል ምህላው ዝሰረዐ
ኣተሓሳስባ ምዃኑ እዩ።
7.6. ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ዝልዓለ ዓብዪ ናይ ትምህርቲ ሕቶ ምህላው፤ መሓዙትና ናብ ትምህርቲ
ዓለም ይምለሱ ኣለው ናትና ዕድል እንታይ እዩ? ዝብል ተስፋ ዝሰኣነ ዝመስል ኣታሓሳስባ ኣብ ኩሉ ከባቢ
ኣጀንዳ ኮይኑ ይቕፅል ምህላው እዩ። እቲ ሕቶ ክለዓል ዘለዎ እዩ ክለዓል ዘይግበኦን ዘይነበሮን ኣይኾነን
ኣብዚ ሕዚ ዘለናዮ መድርኽ መኸተ ንኹሉ ተጋደላይ ሰራዊት ትግራይ እውን ሓዊሱ ካብ ቀደማይ ብርኪ
ትምህርቲ ጀሚሩ ክሳብ ላዕለዋይ ብርኪ ይካኣልዶ? ኣይካኣልን ዝብል ግን ኣብ ግምት ዘኣተወ ኣይኮነን።
ብዝተልዓለ ይልዓል ግን ብዘየገድስ ኣብ ህንፀት ኣባላትና ናይ ባዕሉ ዝኾነ ኣሉታዊ ተፅዕኖ እናፈጠረ
ይኸይድ ምህላው ዝተርፍ ኣይኮነን።
23

7.7. ኣብ ፖሊሳዊ ተልእኾ ተዋፊሮም እናሃለው ዘጋጥም ናይ ሓደጋ ውሕስና እውን ሓደ ካብቶም ኣብ ህንፀት
Page

ኣባላትና ኣሉታዊ ፅልዋ እናፈጠሩ ዝኸዱ ዘለው እዩ። እዚ ሓሳብ ዝተፈላለዩ ኣብነታት ብምልዓል እዩ

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

ዝገልፆም ንኣብነት ኣብ ከተማ ኣኹሱም 8 ተ ኣባላት ፖሊስ ብሓደ ሰብ ቅትለት ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩን
ኣብ ዓዲ ግራት እውን ብተመሳሳሊ 7 ተ ኣባላት ፖሊስ ብሓደ ሰብ ቅትለት ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩን
ካልኦት ኣብነታትን እናልዐለ ይገልፆም። ኣብዚ ጉዳይ ዘለው ጉጉያት ኣታሓሳስባታት ሓደ ኣብ ቀረበኦም
ዘሎ ምፅራይን ኣመራርሓን እንታይ ሰለዘይገበረ እዩ? ኣባላት ብጅምላ ተኣሲሮም ዘይምርዳእ ኣሎ፤ እቲ
ዝፈልጥን ዝተረደኦን እውን ንኣባላቱ እዚ እዩ ምኽንያቱ ኢሉ ከረድእ ድልው ናይ ዘይምዃን ፀገም ኣሎ፤
ካልኣይ እቲ ኣባል ዝተፈጠረ ኩነታት ከረድኦ ዝኽእል ሰብ ስለ ዘይረኸበ ኮሚሽን ፖሊስ ንኣባላቱ ውሕስና
ኣይህብን ኣብ ልኡኽ ዘጋጥም ፀገም ጥብቅና ኣየቑመልናን ዝብል ኣታሓሳስባ ናብ ኩሉ እናተጋፈሐ
ዝመፀሉ ኩነታት ይርኣ ኣሎ። ስለዝኾነ እዙይ እውን ኣብ ተልእኹኡ ዓርሰ ምትእምማን ከይህልዎ እናገበረ
ዝኸይድ ዘሎ ዘይምዕሩይ ሓሳብ እዩ።
7.8. ናይ ግዝያውነት ኣታሓሳስባ ብዝተፈላለየ መንገዲ ይግለፅ ምህላው፤ ብሓደ ወገን ባዕሉ ብባዕሉ ዝፈጥሮ
ንሕና ናብ ፖሊስ እንትመፅእ ግዝያዊ ተባሂልና ኢና መፂእና ይብል፤ እዚ እንትገልፅ ድማ ውግኣት ሰለዘለና
ኣብ ሰራሕ ሰለዘይንኽእል፣ ሕማም ስለዘለና ስለዘይንኽእልን ጥሮተኛታት ስለዝኾናን ብዝብል ይገልፅ።
እቲ ሽዑ ዝነበረ ዝተማልኣ ኣካለዊ ብቕዓት ዘለዎ ዝብል መመዘኒ ረቛሒ ክዛረቦ ኣይደልን፤ ብካሊእ ወገን
ድማ ንሕና ኣብ‘ዚ ፖሊስ ግዝያዊ ስለዝኾና እዩ ግዝያዊ መለለይ መንነት ተዋሂብና ዘሎ ብዝብል እውን
ይግለፅ ኣሎ። ዝደለየ መበገሲ ይሃልዎ ብዝመፀ ይዋፃእ ግን ኣብ ኣባላትና ዝተረጋግአ ህይወት ከይህልዎም
ካብ ምግባር ዓዲ ዝውዕል ክኸውን ኣይኽእልን።
7.9. ኣብ ፖሊስና ንዝተፈላለየ ሞያን ሓላፍነትን ዝካየድ ምልመላ ኣብ ፍትሕን ሚዛናውነት ኣብ ምርግጋፅ
ዝተፈላለዩ ፀገማት እናተርኣየሉ ዝኸይድ ዘሎ ተግባር ኮይኑ ኣሎ። ሓደ ምስ‘ቲ ቅድም ክብል ዝተገለፀ
ተታሒዙ ክርአ ዝኽእል ተኣኻኺብና ናይ ምውፃእ ድልየት ዝደፍኦ እቶም ሕዚ ክሳናበቱ ተባሂሎም
ዝተፈለዩ ፍሉጥ ፀገም ዘለዎም ኣባላት እንትርኣዩ ኩላትና ናብ ሓኻይም ፀገምና ሒዝና ክንቐርብ ነይርና
ዝብል ንባዕሉ ጥራሕ ዝርኢ ኣታሓሳስባ እዩ፤ ካልኣይ ኣብ ቀረባ እዋን ዝግበር ዘሎ ናይ ሓላፍነት
ምትዕርራይ ኣብ ዝበዝሕ ኣሃዱ ወይ ወረዳ ናይ ሓፈሽ ተሳትፎ ዝተረጋገፀሉ ዘይምዃኑ እዩ፤ መራሕቲ
ዝደለይዎ ሰብ ፀዊዖም ናብ እዙይ ደይብካ ወይ ተሸይምካ ተባሂሉ ጥራሕ እዩ ዝንገሮ ዝብል ኣብ ዝበዝሕ
ከባቢ ዝቀረበ እዩ፤ ሳልሳይ ኣባላት ክወዳደርሉ ዝኽእሉ መፍለይ ረቛሓታት የለን መፅኢና ኣይንፈልጥን።
ሰለዝኾነ እውን ውለቀ ሰባት ዝደልይዎ መዚዞም ይወስዱ ዘይደለይዎ ግን ዋላ ብልጫ ይሃልዎ ተዓምፂፁ
ይተርፍ ዝብል ሓሳብ ይቐርብ ኣሎ፤ እዙይ ድማ ኣብ ኣባላት ፖሊስ ብሓደ ወገን ኣብ ተልእኹኡ ወነ ህልኽ
ከይህሉ ተበገሶታቱ ክዳኸም ይግበር ኣሎ፤ ብኻሊእ ገፁ እንትረአ ድማ ኣባላትና ናብ ወያናይ ውድድር
ከይኣትው፤ እንታይ ኣእተወና ዝዓይነቱ ኣካይዳ ክላመድ ዝግበር እናኾነ ይኸይድ ኣሎ። እዙይ እውን
ብስንኪ ዘይምዕሩይ ኣካይዳና ኣብ ውሽጢ ኣባላትና ቅሬታ እናፈጠረ ኣብ ባዕሉን መንነቱ ከይተኣማመን
24

እናተገበረ ዝኸይድ ዘሎ ግልፅነት ዝጎደሎ ብልሽው ኣካይዳ እዩ።


Page

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

7.10. ኣብ ፖሊስና ዝተለመደ ይኹን ኣይኹን ብዘይፍላጥ ይኹን ብፍላጥ ዝውውር ከም ናይ ሓደ ኣባል መሰል
ወሲዱ ዝካራኸረሉ ዘሎ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ኣታሓሳሰባ በቢብርኩ ዘሎ ኣባል መሪሕነት ንባዕሉ
ማእኸል እናገበረ ደፊሩ ካብ ምዝራብ ናብ ምቑጣብ ዝኣትወሉ ኩነታት ምህላው እዩ፤ እዚ ሓሳብ
ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝገልፅ እዩ፤ሓደ ትካል ምዃኑ ረሲዑ ኣብ እገለ ቦታ ዘሎ ምስ እገለ ዝበሃል
ተመሳሳሊ ሓላፍነት ሰለዘለና ተስማዕሚዕና ኣለና ኢሉ ብድፍረት ዝዛረብ እዩ፤ ካልኣይ ንበይኑ ፍሉይ
ፀገም ከም ዝበፅሖ ኣምሲሉ ንውልቁ ዝርእን ዝሓስብን ዓይኑ ዓሚቱ ብምክርኻር ይገልፆ፤ ብዝመፁ
ይምፅኡ ብዘየገድስ ኣባልና ኣብ ስርሑ ከይውዕል ናብ ከባቢኡ ከመይ ክቐርብ ከም ዝኽእል እናቆዘመ
ክውዕል ዝገበሩ ዘለው ኣታሓሳስባታት እዮም። ሰለዝኾነ ክሰርሐሉ ዝግባእ ኣታሓሳስባን ተግባርን ከም
ዝኾነ ምርዳእ ከድሊ እዩ።
7.11. ኣብ ኣታሓሕዛ ሰብኣዊ መሰል ጥርጡራት ዘሎ ፀገም እውን ቅድም ክብል ዝነበረ ሕዚ እውን ዘሎ ፀገም
እዩ። ሓደ ዝኾነ ኣካል ፀጥታ ሰብ እንትሕዝ ምውቃዕ ኣብ ኩሉ ከባቢ ዝርአ ዘሎ ፀገም እዩ፤ ካልኣይ ኣብ
ጣብያ ድሕሪ ምእታው ብፖሊስ ምውቃዕ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ይርአ ኣሎ፤ ሳልሳይ ኣብ ኣባላት ምፅራይ
ተገዲዱ ክኣምን ገዛ ዓፂኻ ክሳብ ምውቃዕን ምፍርራሕ ዝርኣየሉ ኩነታት ኣሎ፤ ራብዓይ ኣብ ኩለን
ወረዳታት ዝርአ ተግባር እኳ እንተዘይኮነ ጥርጡራት 24 ስዓት ኣብ ገሊኡ ድማ ለይቲ ጥራሕ ብሸንሸል
ዝእሰሩ ጥርጡራት ኣለው። እዚ ኣመራርሓ ፖሊስ እውን እናፈለጠ ዝፍፀም ዘሎ ተግባር እዩ፤ አዞም
ተግባራት እዚኦምን ካልኦትን ጥርጡራትና ኣብ ፖሊስ ፍቕርን እምነትን ኣሕዲሮም ንቐፃሊ ከምዚ ዝበለ
ተግባር ኣይፍፀምን፤ ንኻልኦት እውን ከይጋገዩ ከምህር እየ ዝብል ኣታሓሳስባ ሰኒቑ ዘይኮነ ዝወፅእ፤
ቅሬታን ስሚዒትን ቋፂሩ እዩ ዝወፅእ ዘሎ እሞ ትኹረት ዘድለዮ ውራይ እዩ።
7.12. ኣብ ጥርጡራትና ናይ ፍትሒ ምጉዳል ሽግራት ዘለው ምዃኖም፤ አቲ ካሊእ ፀገም እዩ፤ መግለፂታት ድማ
ሓደ ጭቡጥ መረዳእታ እንተይሓዝካ ሰባት ምእሳር ኣሎ፤ ካብ መረዳእታ ስለዝይብገስ ሒዝካ ናብ
ምልቃቕ እትኣትወሉ ኩነታት ሰፊሕ እዩ፤ እዚ ፀገም ዳርጋ ኣብ ኩሉ ወረዳታት ዝርከብ ፖሊስና ዘሎ
ፀገም እዩ፤ ካልኣይ ጥርጡራት ድሕሪ ምትሓዞም ፖሊስ ቀልጢፉ ቃል ተቐቢሉ ናብ ዝምልከቶ ፍትሒ
ኣካል ዘይምቕራብ ፀገም ኣሎ፤ እዙይ እውን ዝተወሰኑ ለውጥታት ዋሏ እንተሃለወ ሕዚ እውን እንተኾነ
ፀገም ኮይኑ ዝቕፅል ዘሎ እዩ፤ ሳልሳይ ጥርጡር ድሕሪ ምትሓዙ ኣብ ዝድለ እዋን ናብ ቤት ፍርዲ
ዘይምቕራብ ፀገም ኣሎ፤ ብዝተፈላለየ ምክንያት ምጉታት ይርኣ እዩ፤ ራብዓይ ናይ ጥርጡራት ፀገም
ዘይምርዳእ ኣዳሚፅኻ ክፍታሕ ዝግበኦ ዘይምፍታሕ ዘይጥዑማት ቃላት ምጥቃምን እሱራት ክፈርሑን
ክደሃሉን ዝግበር ኣካይዳ ምህላው እዩ፤ ሓምሻይ ምስቲ ኣብ ራብዓይ ነጥቢ ተቐሚጡ ዘሎ ተታሓሒዙ
ክርአ ዝኽእል ጥርጡራት ናይ ጥዕና ፀገም እንተጋጥሞም ፀገሞም ተረዲእኻ ክፍታሕ፤ ዘይምግባር ፀገም
ኣሎ። ናብ ሕክምና ተኻልኪልና ዝብሉ ሓሳባት ይላዓሉ ኣለው።
25

7.13. ቅድም ክብል ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ተለሚዱ ዝፀንሐ ናይ በብርኩ ዝርከቡ ስታፍ ኣባላትን
Page

ኪኢላታትን ሕቶ ጥቕማ ጥቕሚ ዓብይ መዘራረቢ እናኾነ ይመፅእ ምህላዉ፤ ኣብ ህንፀት ኣባላት ናይ

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

ባዕሉ ኣሉታዊ ፅልዋ ይፈጥር ኣሎ። ከም መበገሲ እናተወሰዱ ዝላዓሉ ሓሳባት ሓደ ኣባላት ምፅራይ
ኩሎም ብቲም ብርኪ እዮም ነይሮም ሕዚ እንታይ መለክዒ ወይ ምኽንያት ሃልዮኩም እዩ ትኽልክሉ
ዝብል ሓሳብ እዩ። ካልኣይ ኣብ ዝተፈላለየ ሞያ ተመዲቦም ዝሰርሑ ኣባላት ስታፍ ካብ ሓላፍነት ወፃእ
ዘለው ኪኢላታት ብቲም ይሕሰበሎም ነይሩ ሕዚ የለን ንምንታይ ዝብል ሕቶ ይልዓል ኣሎ።
7.14. ፖሊስና ተበፃሓይነቱ ሕዚ እውን ገና ናብ ኩሉ ክበፅሕ ዘይካኣለን ውስንነት ዘለዎ ምዃኑ ጎሊሁ ዝረአ ዘሎ
ፀገም እዩ። ሓደ ኮሚኒቲ ናብ ኩለን ጣብያታትን ቀጠናታትን ኣብ ምምዳብ ውሰንነት ዘሎ ምዃኑ እዩ።
ካልኣይ እቲ ተመዲቡ ናብ ጣብያታት ዝኣተው ናይ መንበረ ገዛ፣ ቤት ፅሕፈትን ቀለብን ክፍትሕሉ
ሰለዘይካኣሉ ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕ ይፅገም ኣሎ፤ ሳልሳይ እቲ በቢ ጣብይኡ ተመዲቡ ዘሎ ኮሚኒቲ

ናይ ብስለትን ብቕዓትን ውሰንነት ዘለዎ ምዃኑ እውን ካሊእ ፀገም እዩ። ራብዓይ ጠንካራ ናይ ሓፋሽ
ውዳበታት የለዋን፤ ውዳበ ፎረም ማሕበረሰብ ካብ ዘን ሓፋሽ ውዳበታት ዝምስረት ሰለዝኾነ የለዋን ወይ
ድኹማት እየን። ኣብ ኩሉ ከባቢ ኣብነት ክኾና ዝኽእላ ውዳበታት ይፈጠርናን ገና ኢና ዘለና።
8. እንተዝኸውን

8.1. ኣመራርሓ ኮሚሽን ፖሊስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት‘ውን ሓዊሱ መዳህሰሲ ነጥብታት (Chekist)
ክዳሎ እንተዝግበር። ዝተዳለዉ ናብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ዝንቀሳቀሳ ጉድለታት ብምጥያሽ ውስናት

ወረዳታትን ኮሚኒቲ ፖሊስን ፍተሻታት ወይ ኩሉ ዓይነት ዳህሳስ እንተንገብር ዝሓሸ ይኸውን። እቲ


ዝተኻየደ ዳህሳስ መበገሲ ብምግባር ሓደ ሓፂር ሪፖርት ተዳልዩ ብትምህርቲ መልክዕ ናብ ኩሉ ዝባፃሕሉ
ኩነታት ምትዕርራይ፤ ካልኣይ ዝምልከቶም ዞባ ኣመራርሓ ብምስሓብ ዝርዝር ምይይጥን ቀፃልቲ
ኣንፈታትናን ምርድዳእ እንተዝግበረሉ ዝበለፀ ይኸውን።
8.2. ኣብ ናብራ ስራዊት ዘሎ ፀገም እቲ ተጀሚሩ ዘሎ መፍትሒ ተጠናኺሩ ክቕፅል ዝግበኦ ኮይኑ፤ ካሊእ
ትኹረት ዘድልዩ ነጥቢ ግን ሓደ ኣባልና ኣብ ሓደ ቦታ ንተልእኹኡ ብዝጥዕም ተጠርኒፉ ክነብር ኣለዎ
ዝብል ብመንግስት እንተይተረፈ ዝፍለጥን ዝእመንን እኳ እንተኾን ኣብ ታሕቲ ኣብ ወረዳታት ግን
ኣይትግበርን ዘሎ። እቲ ፀገም ዝምልከቶ ላዕለዋይ መሪሕነት‘ውን ፈሊጥዎ ወረዳታት ከማልኡ ፀቕጢ

እንተዝግበር። ካልኣይ ብዙሓት ጣብያታትና ቤት ፅሕፈትን ናይ ጥርጡራት መዕረፋን ዓብይ ፀገም ከም


ዘሎ ባዕሎም እቶም ወረዳታት ገሊፀምዎ ኣለው። እዚ ፀገም ብሓደ ወገን ዘይሳነዩን ብሓደ ተሓዋዊሶም
ክነብሩ ዘይግቦኦምን ተሓዎዊሶም ኣብ ሓደ ገዛ ክቕመጡ ዘገድድ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ። ብኻሊእ ወገን
ድማ ደቂ ኣነስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ፈላሊዮም ንምእሳር ይፅገሙ ኣለው። ኣብ ገሊኡ ወረዳ ድማ እቲ
ናይ እሱራት መፅንሒ ገዛ ጠንካራ ስለዘይኾነ ከም ኣሲርካ ምሕዳርን ካልኦት ፀገማትን ይረኣዩ ኣለው።
ስለ ዝኾነ እዞም ፀገማት ፖሊስና ኣብ ተልእኹኡ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ኮይኖም ሰለዘለው ክፋታሕ ቀፀሊ
26

ፃዕሪ ምግባር የድሊ።


Page

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም


ኣብ ወረዳታት ዝተኻየደ ናይ ስራሕ ምልከታ

8.3. ኣብ ፖሊስና እቲ ኻሊእ ቅልጡፍ መፍትሒ ዘድልዩ ናይ ትራንስፖርት ፀገም እዩ። ወረዳ ፖሊስ
ተንቀሳቒሱ ተልእኽኡ ክፍፅም ኣብ ዘይኽእለሉ ብርኪ እዩ ዘሎ። መኪና የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ መኪና
ለሚኑ ክጥቀም እውን ነዳዲ መገዝኢ በጀት የብሉን። ሰለዚ እዚ ፀገም ንሰራሕትና ዓንቃፋይ ይኸውን
ሰለዘሎ ንመንግስቲ ኣቕርብና ክፍታሕ ዝከኣለና ፃዕሪ እንተንገብር።

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን


ሕዳር 2016 ዓ.ም
መቐለ

27
Page

ኮሚሽን ፖሊስ ትግራይ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሕዳር 2016 ዓ.ም

You might also like