Professional Documents
Culture Documents
Contents
1. መእተዊ.............................................................................................................................................2
2. ኣጠቓላሊ ድንጋገ/ስሪታት......................................................................................................................2
2.1. ስያመ........................................................................................................................................2
2.2. ዕላማ........................................................................................................................................2
3. ስነ-ስርዓት..........................................................................................................................................2
3.1. ኣኼባ ካብ ዝተፀወዐሉ ሰዓት ክሳብ 30 ደቒቓ ዝደንጎየ ኣባል ኣብ ዝህልወሉ..............................................2
3.2. ብዘይ ፍቓድ ወይ ብዘይ እኹል ምክንያት ካብ አኼባ ምቕራይ ብዝምልከት...................................................3
3.3. ካብ ኣኼባ ንምቕራይ/ ንምውካር ተቐባልነት ዝህልዎም ምክንያታት፤...........................................................3
3.4. ፍቓድ ብዝምልከት.......................................................................................................................3
3.5. ወርሓዊ ክፍሊት ብዝምልከት..........................................................................................................4
3.6. ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ወርሓዊ ክፍሊት ዘይምፍፃም ብዝምልከት................................................................4
3.7. ብዘይ እኹል ምክንያት ጠቕላላ ወርሓዊ ክፍሊት ዘይምኽፋል....................................................................4
3.8. ናይ ማሕበር ኣታዊን ወፃእን ኩነታት ብዝምልከት.................................................................................4
3.9. ብጥፍኣት ምክንያት ብናይ እቲ ማሕበር አባላት ዝወሃብ ቅፅዓት ብዝምልከት.....................................................5
3.10. ዝተውሃቦ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ብእዋኑ ወይ ድማ በአግባቡ ዘይምፍፃም፣..................................................6
3.10.2. ሓደ ኣባል ነቲ ኣመራርሓ ከየፍለጠን ኣብ ከክንድኡ ተኪኡ ክሰርሕ ዝኽእል ኣባል ከይተከአን ኣብ ስራሕ ቦትኡ
ክርከብ እንድሕር ዘይክኢሉ፣...........................................................................................................................6
4. ዝተፈላለዩ ሕግታት...............................................................................................................................7
2. ኣጠቓላሊ ድንጋገ/ስሪታት
2.1. ስያመ
እዚ ናይ ውሽጢ መተሓዳዳሪ ስሪት ናይ መንበሪ ገዛ ናይ ውሽጢ መተሓዳዳሪ ደምቢ/ስሪት ተብሂሉ ክፅዋዕ
ይከኣል፡፡
2.2. ዕላማ
ድሕሪ ዕለት 10 ንዘእትዉ ኣብ ዓንቀፅ 3.6 ዝተጠቐሰ ቕፅዓት ከምዘሎ ኾይኑ ብተወሳኺ
3.9.1. ግቡእ ዘይኾነ ጥቕሚ ንምግናይ/ንምረካብ ብዝብል ናይቲ ማሕበር ሰነድ ዝስርዝ ወይ ድማ ሕጋዊ ዘይኾነ
ሰነድ ዘቕርብ እንተኾይኑ፣
3.9.2. ናይቲ ማሕበር ሃፍትን ንብረትን ብዘይ ኣግባብ ንውልቀ ጥቕሙ ዘውዕልን ዘባኽንን እንተኾይኑ፣
3.9.3. ናይቲ ማሕበር ሃፍትን ንብረትን ብዘይ ኣግባብ ንውልቀ ጥቕሙ ዘውዕልን ዘባኽንን እንተኾይኑ ብማሕበሩ
ቑፅፅር ኮሚቴ ኣድላይ ዝኾነ ምፅራይ ድሕሪ ምግባር ናብ ጠቕላላ ጉባኤ ዝቐርብ እንትኾን እቲ ጉባኤተኛ
ናይቲ ጉዳይ ኣፈፃፅማ ብዕምቆት ብምርኣይ ብዘይምግዳስ ወይ ድማ ብሃንደበት ዝተፈፀመ ምዃኑ
ብምፍላይ :-
3.9.3.1. ክሳብ 5000.00 (ሓምሽተ ሽሕ ቕርሺ) ዝግመት ንብረት ዘጥፈአ እንተኾይኑ ኣባሉ ዘጥፈኦ ንብረት ኣብ
ሓደ ወርሒ ውሽጢ ክትክእ ይግበር፡፡ ካብዙይ ብተወሳኺ ካብ ዘጥፈኦ ንብረት 20 ካብ ሚኢቲ
(20%) ቕፅዓት ይቕፃዕ፡፡
3.9.3.2. ዘጥፈኦ፣ ዘባኸኖ ወይድማ ናይ ዝተጠቐሞ ንብረት ግምቱ ካብ ሓምሽተ ሽሕ ቕርሺ ንላዕሊ እንተኾይኑ
ዘጥፈኦ ንብረት ብልክዑ ኣብ ሓደ ወርሒ ውሽጢ ክትክእ ድሕሪ ምግባር ብሕጊ ዝጥየቕ ይኸውን፡፡
3.9.3.3. ጥፍኣቱ ወይ ድማ ብኽነቱ ኣብ ገንዘብን ሰነድን ዝተፈፀመ እንድሕር ኾይኑ ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፀ
መንገዲ ዝፍፀም ይኸውን፡፡
3.9.3.4. ኣብ ላዕሊ ብዝትገለፀ መሰረት ዘዋፀኦን ዘጥፈኦን ገንዘብ/ንብረት ዘይመጣጠን እንድሕር ኾይኑ ግና ጉዳዩ
ናብ ቤት ፍርዲ ዘምርሕን ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ውሳነ ዝወሃቦ ይኸውን፡፡
3.9.3.5. ሓደ አባል ብገዛ ርእሱ ንምውፃእ ኣብ ዝደልየሉ ግዜ፣ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ንፈፃሚ ኮሚቴ በፅሑፍ
ሕቶ የቕርብ። ሕትኡ ተቐባልነት ዝረክብ ክክንድኡ መተካእታ አባል ምስቲ ናይቲ ማሕበር መተሓዳደሪ
ደምቢ/ስሪት ብዘተጠቐሰ ዓንቀፅ ዘለው ረቛሕታት ዘማልእሰብ ከምኡውን ሕድ ሕድ ናይቲ ማሕበር
ረቛሕታት ካብ ዝምልከቶ ናይ መንግስቲ ኣካል በከተማ ዓዲግራት መንበሪ ገዛ መሬት ብሽሙን ብሽም
በዓልቲ ገዝኡ ከምዘይብሉ ዝተረጋገፀ መብርሂ ዘቕርብን ነቲ ማሕበር ዝስማዕማዕ ሰብ ክርከብን እዩ።
ዝኾነ ኣባል ኣብ ዝተመደቦ ናይ ሳይት ይኹን ናይ ኮሚቴ ስራሕ ናይ ምርካብ ግቡእ/ግዴታ ኣለዎ።
ዝኾነ ኣባል ብስራሕ አፈፃሚ ኮሚቴ ብኻልኦት ኮሚቴታትን ዝተውሃቦ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ክሰርሕ እንድሕር
ዘይክእል ኮይኑ ነቶም ናይቲ ማሕበር ኣመራርሓ ኣካላት ከፍልጥ ኣለዎ።
ኣብ ናይ ሳይት ምደባ ሓደ ኣባል ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾነ ፀገም እንተጋጥሞ ነቲ ኣመራርሓ ኣፍሊጡ ፍቃድ
እንተረኺቡ ንሓደ ናይ ፍቓድ መዓልቲ/ዕረፍቲ ክልተ መዓልቲ ክሰርሕ ይግበር።
ሓደ ኣባል ኣብ ክንድኡ ተኪኡ ኣብ ሳይት ዝሰርሕ ሰብ ካብ ኣባላት እቲ ማሕበር እንተረኺቡ ነቶም ናይቲ
ማሕበር ኣመራርሓ ኣካላት (ብቐደም ሰዓብ ንኣቦ ወንበር ወይ ንም/ኣቦ ወንበር ወይ ንፀሓፊ) ቅድሚ ሓደ መዓልቲ
ከፍልጥ ኣለዎ።
3.10.1. ሓደ ኣባል ኣብ ክንድኡ ተኪኡ ክሰርሕ ዝኽእል ኣባል ዘይረክብ እንድሕር ኾይኑን ነቲ ኣመራርሓ ኣቐዲሙ
እንተፍሊጡን፣
3.10.1.1. ንመጀመሪያ ግዜ 300 ቕርሺ ይቕፃዕ።
3.10.1.2. ንካልኣይ ግዜ 500 ቕርሺ ይቕፃዕ።
3.10.1.3. ንሳልሳይ ግዜ 700 ቕርሺ ይቕፃዕ።
3.10.2. ሓደ ኣባል ነቲ ኣመራርሓ ከየፍለጠን ኣብ ከክንድኡ ተኪኡ ክሰርሕ ዝኽእል ኣባል ከይተከአን ኣብ ስራሕ
ቦትኡ ክርከብ እንድሕር ዘይክኢሉ፣
3.10.2.1. ንመጀመሪያ ግዜ እንተጥፍእ 500 ቕርሺ ይቕፃዕ።
3.10.2.2. ንካልኣይ ግዜ እንተጥፍእ 700 ቕርሺ ይቕፃዕ።
3.10.2.3. ንሳልሳይ ግዜ እንተጥፍእ 900 ቕርሺ ይቕፃዕ።
4. ዝተፈላለዩ ሕግታት
4.1. ንቐለልቲ ስራሓውቲ ስራሕ መካየዲ ዝኸውን ተንቀሳቓሲ ናይቲ ማሕበር ገንዘብ/ፒቲካሽ/ 10000
ይኸውን ።
4.2. ሓደ ኣባል ብስራሕ ምክንያት ካብ ዓዲግራት ወፃኢ እንተተላኢኹ 350.00 መዓልታዊ አበል ዝወሃቦ
ይኸውን።
4.3. በቢወርሑ ንኣመራርሓ ኣካላት ናይ ሞባይልን ትራንስፖርትን ብጠቕላላ 1000.00 ዝኽፈሎም ኮይኑ፣
4.3.1. ናይ ትራንስፖርት ንኹሎም ብማዕረ 100.00 ቕርሺ ኾይኑ ድምር 500.00 ቕርሺ።
4.3.2. ናይ ሞባይል ብድምሩ 500.00 ቕርሺ ኮይኑ
4.3.2.1. ንኣቦ ወንበር 300.00 ቕርሺ
4.3.2.2. ንም/ኣቦ ወንበር 50.00 ቕርሺ
4.3.2.3. ንፀሓፊ 100.00 ቕርሺ
4.3.2.4. ንገንዘብ ተሓዚ 50.00 ቕርሺ ይኸውን።
4.4. ሓደ ኣባል ብስራሕ ፈፃሚ ኮሙቴ ዝወሃቦ ውሳነ ተቃውሞ እንድሕር ሃልይዎ ናይ ይግበአኒ ሕቶ ናይ ምቕራብ
መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤ ናይ ይግበኒ ሕቶ ንጠቕላላ ጉባኤ የቕርብ።ብማሕበሩ ዝወሃቦ ውሳነ ናይ መወዳእታ
ይኸውን።
4.5. ብማሕበሩ ሕግን ደምብን ከምእውን መምርሒ ብትርጉም ዝልዓል ክርክር፣ ብጠቕላላ ጉባኤ እቲ ማሕበር
ብድምፂ ዝወሃቦ ትርጉም ተፈፃምነት ይህልዎ።
4.6. ናይ ጠቕላላ ጉባኤ ኣኼባ በቢሓደ ወርሒ ግዜ ዝካየድ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ እቲ ወርሒ ድሕሪ ዕለት 30 ዘላ
ቀዳም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ዝካየድ ይኸውን።
4.7. ውሳነ ኣብቲ ኣኼባ ብዝተረኸበ 2/3 ዝበዝሐ ድምፂ ይኸውን። ዝዋሓደ ድምፂ ንብዙሕ ድምፂ ተገዛኢ
ይኸውን።
4.8. እዙይ ውሽጣዊ መምርሒ ክመሓየሽ ካብ ጠቕላላ ኣባላት 1/3 ንክመሓየሽ ሕቶ እንድሕር ኣቕሪቦም ተፈፃምነት
ይህልዎ፤ ተመሓይሹ ክፀድቕ ድማ ካብ 50% ንላዕሊ ድምፂ ክረክበ ኣለዎ።
4.9. እዙይ ውሽጣዊ መምርሒ ኣብ ተግባር ዝውዕለሉ እዋን ናብ ጠቕላላ ጉባኤ ቐሪቡ ካብ ዝፀደቐሉ ዕለት
07/06/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ይኸውን።
ተሓታትነት ብዝምልከት
እዙይ ናይ ማሕበርና መተሓዳደሪ ደምቢ ኣብ ዓዲግራት ከተማ ንዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ውሽጣዊ መምርሒ ደምቢ
ኾይኑ ክምዝገብ ኣለዎ።
ኣነ ናይ ገዛ መንበሪ አሃዱ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኣባል ዝኾንኩ ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጡ ናይቲ ማሕበር ሕግታትን
ደምብታትን ኣሚነን ተቐቢለን በቲ ሕግን ደምብ መሰረት ተገዛኢ ንምዃን ዝተስማዕማዕኹ ምዃነይ ብፌርማይ ኣረጋጊፀ
ኣለኹ።