You are on page 1of 7

1

Contents
1. መእተዊ.............................................................................................................................................2
2. ኣጠቓላሊ ድንጋገ/ስሪታት......................................................................................................................2
2.1. ስያመ........................................................................................................................................2
2.2. ዕላማ........................................................................................................................................2
3. ስነ-ስርዓት..........................................................................................................................................2
3.1. ኣኼባ ካብ ዝተፀወዐሉ ሰዓት ክሳብ 30 ደቒቓ ዝደንጎየ ኣባል ኣብ ዝህልወሉ..............................................2
3.2. ብዘይ ፍቓድ ወይ ብዘይ እኹል ምክንያት ካብ አኼባ ምቕራይ ብዝምልከት...................................................3
3.3. ካብ ኣኼባ ንምቕራይ/ ንምውካር ተቐባልነት ዝህልዎም ምክንያታት፤...........................................................3
3.4. ፍቓድ ብዝምልከት.......................................................................................................................3
3.5. ወርሓዊ ክፍሊት ብዝምልከት..........................................................................................................4
3.6. ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ወርሓዊ ክፍሊት ዘይምፍፃም ብዝምልከት................................................................4
3.7. ብዘይ እኹል ምክንያት ጠቕላላ ወርሓዊ ክፍሊት ዘይምኽፋል....................................................................4
3.8. ናይ ማሕበር ኣታዊን ወፃእን ኩነታት ብዝምልከት.................................................................................4
3.9. ብጥፍኣት ምክንያት ብናይ እቲ ማሕበር አባላት ዝወሃብ ቅፅዓት ብዝምልከት.....................................................5
3.10. ዝተውሃቦ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ብእዋኑ ወይ ድማ በአግባቡ ዘይምፍፃም፣..................................................6
3.10.2. ሓደ ኣባል ነቲ ኣመራርሓ ከየፍለጠን ኣብ ከክንድኡ ተኪኡ ክሰርሕ ዝኽእል ኣባል ከይተከአን ኣብ ስራሕ ቦትኡ
ክርከብ እንድሕር ዘይክኢሉ፣...........................................................................................................................6
4. ዝተፈላለዩ ሕግታት...............................................................................................................................7

ገዛ መንበሪ ኣሃዱ ሕብረት ስራሕ ማሕበር

ውሽጣዊ ስሪት ማሕብር ኣሃዱ Page 1


2

ናይ ኣባላት ናይ ውሽጢ መተሓዳደሪ ሕግን ደንቢ/ስሪት


1. መእተዊ
ናይ መንበሪ ገዛ ፀገም ናይ ዜጋታት ቀዳማይ ፀገም ብምዃኑ መንግስቲ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ዜጋታት ብማሕበር
ወዲቡ ናይ መንበሪ ገዛ ወናኒ ንምግባር እናሰርሐ ምዃኑ ዝፍለጥ እዩ ። ኣሃዱ መንበሪ ገዛ ማሕበር ዝተብሃለ
ማሕበርና ናይዚ ዕድል ተጠቃማይ ካብ ዝኾኑ ውሑዳት ማሕበራት ሓደ እንትኾውን ብናይ ከተማ ሊዝ
ኣተሓሕዛ ተመሓይሹ ብዝወፀ ደምቢ ቁፅሪ 76/2005 ን ናይ አፈፃፅማ መምርሒ ቁፅሪ 3/2009
ብዝተቀመጠ ቅድመ ኩነት መሰረት ናይ ማሕበርና ውሽጣዊ መተሓዳደሪ ደምቢ ከምዝስዕብ ኣዳሊና ኣለና።

2. ኣጠቓላሊ ድንጋገ/ስሪታት

2.1. ስያመ
እዚ ናይ ውሽጢ መተሓዳዳሪ ስሪት ናይ መንበሪ ገዛ ናይ ውሽጢ መተሓዳዳሪ ደምቢ/ስሪት ተብሂሉ ክፅዋዕ
ይከኣል፡፡

2.2. ዕላማ

እዙ ናይ ውሽጢ ደምቢ/ስሪት እዙይ እዞም ዝስዕቡ ዕላማታት ይህልውዎ

2.2.1. ናይ እቲ ማሕበር ኣባላት ሓድነት የጠናክር፣


2.2.2. ናይ ኣባላት ገንዘብን ጉልበት ብምውዳድ ኣብ ስራሕ ክውዕል ይገብር፣
2.2.3. በቲ ማሕበር ዝወፁ ናይ ስራሕ መደባት ብፍጥነትን ብፅፈትን ኣብ ተግባር ክውዕሉ ይገብር፣
2.2.4. ናይቲ ማሕበር ገንዘብን ንብረትን ከይባኽን ንምሕላውን ንምቁፅፃርን፤ ገንዘብን ንብረትን ዘባኽኑ ኣባላት
እቲ ማሕበር ቑፅፅር ብምግባር ብውሽጣዊ ሕገ-ደምቢ/ስሪት መምርሒ መሰረት ኣድላዪ ዝኾነ ስጉምቲ
ምውሳድ፣
2.2.5. ዝኾነ ይኹን ናይቲ ማሕበር ኣባል ኣጠቓላሊ መሰሉን ግቡኡን (ሓላፍነቱን) ፈሊጡ ናይ ናይቲ ማሕበር
ስርዓትን ስሪትን ኣኽቢሩ ክኸይድ ምግባር፡፡
3. ስነ-ስርዓት

3.1. ኣኼባ ካብ ዝተፀወዐሉ ሰዓት ክሳብ 30 ደቒቓ ዝደንጎየ ኣባል ኣብ ዝህልወሉ


3.1.1. ንመጀመርታ ግዜ 30 ቕርሺ ይቕፃዕ
3.1.2. ንካልኣይ ግዜ 50 ቕርሺ ይቕፃዕ
3.1.3. ንሳልሳይ ግዜ 75 ቕርሺ ይቕፃዕ
3.1.4. ንራብዓይ ግዜ 100 ቕርሺ ይቕፃዕ
3.1.5. ንሓምሻይ ግዜ ዘርፈደ 125 ቕርሺ ይቕፃዕ
3.1.6. ካብ ሓምሻይ ግዜ ንላዕሊ ወይ ድማ ንተኸታታሊ ሰለስተ መዓልቲታት ዝዘንገዐ/ዝደንጎየ ናብ ጠቕላላ
ጉባኤ ቐሪቡ ውሳነ /ብይን ይወሃቦ።
መብርሂ፦ካብ 30 ደቒቓ ንላዕሊ ደንጉዩ/ዘንጊዑ ንዝመፅእ ዝኾነ ይኹን ሰብ ከም 0.3
ዘውከረ/ዝቐረየ ይቑፀር።

ውሽጣዊ ስሪት ማሕብር ኣሃዱ Page 2


3

3.2. ብዘይ ፍቓድ ወይ ብዘይ እኹል ምክንያት ካብ አኼባ ምቕራይ ብዝምልከት


3.2.1. ንመጀመርታ ግዜ 100 ቕርሺ ይቕፃዕ
3.2.2. ንካልኣይ ግዜ 150 ቕርሺ ይቕፃዕ
3.2.3. ንሳልሳይ ግዜ 200 ቕርሺ ይቕፃዕ
3.2.4. ንራብዓይ ግዜ 300 ቕርሺ ይቕፃዕ
3.2.5. ንሓምሻይ ግዜ 400 ቕርሺ ይቕፃዕ
3.2.6. ካብ ሓምሻይ ግዜ ንላዕሊ ወይ ድማ ንተኸታታልቲ ሰለስተ መዓልቲታት ዘውከረ/ዝቀረየ ናብ ጠቕላላ
ጉባኤ ቐሪቡ ውሳነ /ብይን ይወሃቦ።

3.3. ካብ ኣኼባ ንምቕራይ/ ንምውካር ተቐባልነት ዝህልዎም ምክንያታት፤


3.3.1. ሓዘን፣ ወሊድ፣ ናይ ባዕሉ መርዓ እንትኾኑ ኩነታት ኣወሃህቦኦም ድማ ብሲቪል ሰርቪስ
ሕጊ ዝውሰን ይኸውን
3.3.2. ቅቡል ዝኾነ ናይ ጥዕና ፀገም ዘለዎ
3.3.3. ንሓፂር ግዜ ንትምህርታዊ ስልጠና፣ ንዎርክሾፕ ወይ ብናይ መንግስቲ ስራሕ ጉዳይ ካብ ከተማ
ዓዲግራት ወፃኢ ዝኾነ
3.3.4. ብናይ ማሕበር ስራሕ ምክንያት ዝተልኣኸ ወ.ዘ.ተ.
3.3.5. ክቐረየሉ ዘይኽል መንግስታዊ ናይ ቢሮ ስራሕ እንተሃልዩ

3.4. ፍቓድ ብዝምልከት


ፍቓድ ዘድልዮ ኣባል ነቲ ማሕበር ተፀዋዒ/ተወካሊ ሓቲቱ ካብ ኣኼባ ንምቕራይ/ ንምውካር ይኽእል። ፍቓድ
ዝወሃብ ናይቲ ማሕበር ተፀዋዒ/ተወካሊ እንድሕር ኣሚኒሉ ጥራሕ ይኸውን።ብተወሳኺ ንት/ቲ ዝኸይድ ኣባል
ብሕጋዊ ተወካሊኡ ክፍሊት ይፍፅም። ከምኡውን ናይ ዝውሰን ውሳነ አካል ይኸውን። ብዝተጠቐሱን
ተተሓሐዝቲ ዋኒናትን መሰረት ተፀዋዒ/ተወካሊ ንምውሳን ዘፀግሙ ጉዳያት እንተጋጥሙ ምስ ስራሕ አፈፀምቲ
ብምዃን ይውስን።

3.5. ወርሓዊ ክፍሊት ብዝምልከት


3.1.1. ዝኾነ ይኹን ሰብ ናይ ማሕበር መንበሪ ገዛ ኣሃዱ ኣባል ንምዃን እንተደል ዩ መጀመርታ ናብቲ ማሕበር
ሒሳብ 52000.00 ቕርሺ ይኸፍል።
3.1.2. ዝኾነ ይኹን ኣባል ወርሓዊ ክፊሊቱ ካብቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ኣቐዲሙ ምኽፋል/ምእታው ይኽእል። እዙይ
ነቲ ማሕበር ከም ምድጋፍ ስለዝቑፀር ይተባባዕ እዩ።
3.1.3. ኣባላት እቲ ማሕበር ናይ ደደቢት ልቓሕ ወርሓዊ ክፍሊት ዝፍፅምሉ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ክሳብ ዕለት
4 ይኸውን። ናብ ናይቲ ማሕበር ሒሳብ ቑፅሪ ባንኪ ኣታዊ ብምግባር ኣታዊ ዝገበርሉ ደረሰኝ/ቅብሊት ናብ
እቲ ማሕበር ገንዘብ ታሓዚ ኣታዊ ይገብር፡፡

ውሽጣዊ ስሪት ማሕብር ኣሃዱ Page 3


4

3.6. ኣብቲ ዝተጠቐሰ ዕለት ወርሓዊ ክፍሊት ዘይምፍፃም ብዝምልከት


ዝኾነ ይኹን ኣባል እቲ ማሕበር በብወርሑ መጀመርታ ክሳብ ዕለት 4 ኣብ ዘሎ ግዜ ገንዘብ እንተዘይኸፊሉን
እኹል ምክንያት አቕሪቡ ተቐባልነት እንተዘይረኺቡን ድሕሪ እቲ ዝተጠቐሰ/ዝተገለፀ መዓልቲ ክሳብ ዕለት 10
ኣብ ዘሎ ግዜ እንተእትዩ ናተን ዝዘንግዐለአን መዓልትታት ናይ ኩሎም ተለቃሕቲ ኣባላት ወለድ ይሽፍን/ይኸፍል።

3.7. ብዘይ እኹል ምክንያት ጠቕላላ ወርሓዊ ክፍሊት ዘይምኽፋል

ድሕሪ ዕለት 10 ንዘእትዉ ኣብ ዓንቀፅ 3.6 ዝተጠቐሰ ቕፅዓት ከምዘሎ ኾይኑ ብተወሳኺ

3.7.1. ንመጀመሪያ ግዜ ቕፅዓት 300 ቕርሺ ይኸውን


3.7.2. ንካልኣይ ግዜ ቕፅዓት 1000 ቕርሺ ይኸውን
3.7.3. ንሳልሳይ ግዜ ክፍሊት ዘይፈፀመ እንተኾይኑ ወይ ድማ ንተኸታታሊ ክልተ አዋርሕ ክፍሊት ዘይፈፀመ እንተኾይኑ
ናብ ጠቕላላ ጉባኤ ቐሪቡ ውሳኔ ይወሃቦ።

3.8. ናይ ማሕበር ኣታዊን ወፃእን ኩነታት ብዝምልከት


ዝኾነ ይኹን ናብቲ ማሕበር ኣታዊ ዝግበር ይኹን ወፃኢ ዝኸውን ገንዘብ ሕጋዊ ደረሰኝ/ቅብሊት ተቖሪፅሉ
ይኸውን፡፡

3.9. ብጥፍኣት ምክንያት ብናይ እቲ ማሕበር አባላት ዝወሃብ ቅፅዓት ብዝምልከት


ቀፂሎም ካብ ዝተዘርዘሩ ሓዲኡ ወይ ድማ ኹሎም ጥፍኣታት ዝፍፅም ዝኾነ ይኹን ኣባል በቲ ናይቲ ማሕበር
ጉባኤተኛታት ዝወሃቦ ዝኾነ ዓይነት ቅፅዓት ዝቕበል ይኸውን፡፡

3.9.1. ግቡእ ዘይኾነ ጥቕሚ ንምግናይ/ንምረካብ ብዝብል ናይቲ ማሕበር ሰነድ ዝስርዝ ወይ ድማ ሕጋዊ ዘይኾነ
ሰነድ ዘቕርብ እንተኾይኑ፣
3.9.2. ናይቲ ማሕበር ሃፍትን ንብረትን ብዘይ ኣግባብ ንውልቀ ጥቕሙ ዘውዕልን ዘባኽንን እንተኾይኑ፣
3.9.3. ናይቲ ማሕበር ሃፍትን ንብረትን ብዘይ ኣግባብ ንውልቀ ጥቕሙ ዘውዕልን ዘባኽንን እንተኾይኑ ብማሕበሩ
ቑፅፅር ኮሚቴ ኣድላይ ዝኾነ ምፅራይ ድሕሪ ምግባር ናብ ጠቕላላ ጉባኤ ዝቐርብ እንትኾን እቲ ጉባኤተኛ
ናይቲ ጉዳይ ኣፈፃፅማ ብዕምቆት ብምርኣይ ብዘይምግዳስ ወይ ድማ ብሃንደበት ዝተፈፀመ ምዃኑ
ብምፍላይ :-
3.9.3.1. ክሳብ 5000.00 (ሓምሽተ ሽሕ ቕርሺ) ዝግመት ንብረት ዘጥፈአ እንተኾይኑ ኣባሉ ዘጥፈኦ ንብረት ኣብ
ሓደ ወርሒ ውሽጢ ክትክእ ይግበር፡፡ ካብዙይ ብተወሳኺ ካብ ዘጥፈኦ ንብረት 20 ካብ ሚኢቲ
(20%) ቕፅዓት ይቕፃዕ፡፡
3.9.3.2. ዘጥፈኦ፣ ዘባኸኖ ወይድማ ናይ ዝተጠቐሞ ንብረት ግምቱ ካብ ሓምሽተ ሽሕ ቕርሺ ንላዕሊ እንተኾይኑ
ዘጥፈኦ ንብረት ብልክዑ ኣብ ሓደ ወርሒ ውሽጢ ክትክእ ድሕሪ ምግባር ብሕጊ ዝጥየቕ ይኸውን፡፡
3.9.3.3. ጥፍኣቱ ወይ ድማ ብኽነቱ ኣብ ገንዘብን ሰነድን ዝተፈፀመ እንድሕር ኾይኑ ኣብ ላዕሊ ብዝተገለፀ
መንገዲ ዝፍፀም ይኸውን፡፡

ውሽጣዊ ስሪት ማሕብር ኣሃዱ Page 4


5

3.9.3.4. ኣብ ላዕሊ ብዝትገለፀ መሰረት ዘዋፀኦን ዘጥፈኦን ገንዘብ/ንብረት ዘይመጣጠን እንድሕር ኾይኑ ግና ጉዳዩ
ናብ ቤት ፍርዲ ዘምርሕን ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ውሳነ ዝወሃቦ ይኸውን፡፡
3.9.3.5. ሓደ አባል ብገዛ ርእሱ ንምውፃእ ኣብ ዝደልየሉ ግዜ፣ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ንፈፃሚ ኮሚቴ በፅሑፍ
ሕቶ የቕርብ። ሕትኡ ተቐባልነት ዝረክብ ክክንድኡ መተካእታ አባል ምስቲ ናይቲ ማሕበር መተሓዳደሪ
ደምቢ/ስሪት ብዘተጠቐሰ ዓንቀፅ ዘለው ረቛሕታት ዘማልእሰብ ከምኡውን ሕድ ሕድ ናይቲ ማሕበር
ረቛሕታት ካብ ዝምልከቶ ናይ መንግስቲ ኣካል በከተማ ዓዲግራት መንበሪ ገዛ መሬት ብሽሙን ብሽም
በዓልቲ ገዝኡ ከምዘይብሉ ዝተረጋገፀ መብርሂ ዘቕርብን ነቲ ማሕበር ዝስማዕማዕ ሰብ ክርከብን እዩ።

3.10. ዝተውሃቦ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ብእዋኑ ወይ ድማ በአግባቡ ዘይምፍፃም፣

ዝኾነ ኣባል ኣብ ዝተመደቦ ናይ ሳይት ይኹን ናይ ኮሚቴ ስራሕ ናይ ምርካብ ግቡእ/ግዴታ ኣለዎ።

ዝኾነ ኣባል ብስራሕ አፈፃሚ ኮሚቴ ብኻልኦት ኮሚቴታትን ዝተውሃቦ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ክሰርሕ እንድሕር
ዘይክእል ኮይኑ ነቶም ናይቲ ማሕበር ኣመራርሓ ኣካላት ከፍልጥ ኣለዎ።

ኣብ ናይ ሳይት ምደባ ሓደ ኣባል ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ዝኾነ ፀገም እንተጋጥሞ ነቲ ኣመራርሓ ኣፍሊጡ ፍቃድ
እንተረኺቡ ንሓደ ናይ ፍቓድ መዓልቲ/ዕረፍቲ ክልተ መዓልቲ ክሰርሕ ይግበር።

ሓደ ኣባል ኣብ ክንድኡ ተኪኡ ኣብ ሳይት ዝሰርሕ ሰብ ካብ ኣባላት እቲ ማሕበር እንተረኺቡ ነቶም ናይቲ
ማሕበር ኣመራርሓ ኣካላት (ብቐደም ሰዓብ ንኣቦ ወንበር ወይ ንም/ኣቦ ወንበር ወይ ንፀሓፊ) ቅድሚ ሓደ መዓልቲ
ከፍልጥ ኣለዎ።

3.10.1. ሓደ ኣባል ኣብ ክንድኡ ተኪኡ ክሰርሕ ዝኽእል ኣባል ዘይረክብ እንድሕር ኾይኑን ነቲ ኣመራርሓ ኣቐዲሙ
እንተፍሊጡን፣
3.10.1.1. ንመጀመሪያ ግዜ 300 ቕርሺ ይቕፃዕ።
3.10.1.2. ንካልኣይ ግዜ 500 ቕርሺ ይቕፃዕ።
3.10.1.3. ንሳልሳይ ግዜ 700 ቕርሺ ይቕፃዕ።
3.10.2. ሓደ ኣባል ነቲ ኣመራርሓ ከየፍለጠን ኣብ ከክንድኡ ተኪኡ ክሰርሕ ዝኽእል ኣባል ከይተከአን ኣብ ስራሕ
ቦትኡ ክርከብ እንድሕር ዘይክኢሉ፣
3.10.2.1. ንመጀመሪያ ግዜ እንተጥፍእ 500 ቕርሺ ይቕፃዕ።
3.10.2.2. ንካልኣይ ግዜ እንተጥፍእ 700 ቕርሺ ይቕፃዕ።
3.10.2.3. ንሳልሳይ ግዜ እንተጥፍእ 900 ቕርሺ ይቕፃዕ።

ውሽጣዊ ስሪት ማሕብር ኣሃዱ Page 5


6

4. ዝተፈላለዩ ሕግታት
4.1. ንቐለልቲ ስራሓውቲ ስራሕ መካየዲ ዝኸውን ተንቀሳቓሲ ናይቲ ማሕበር ገንዘብ/ፒቲካሽ/ 10000
ይኸውን ።
4.2. ሓደ ኣባል ብስራሕ ምክንያት ካብ ዓዲግራት ወፃኢ እንተተላኢኹ 350.00 መዓልታዊ አበል ዝወሃቦ
ይኸውን።
4.3. በቢወርሑ ንኣመራርሓ ኣካላት ናይ ሞባይልን ትራንስፖርትን ብጠቕላላ 1000.00 ዝኽፈሎም ኮይኑ፣
4.3.1. ናይ ትራንስፖርት ንኹሎም ብማዕረ 100.00 ቕርሺ ኾይኑ ድምር 500.00 ቕርሺ።
4.3.2. ናይ ሞባይል ብድምሩ 500.00 ቕርሺ ኮይኑ
4.3.2.1. ንኣቦ ወንበር 300.00 ቕርሺ
4.3.2.2. ንም/ኣቦ ወንበር 50.00 ቕርሺ
4.3.2.3. ንፀሓፊ 100.00 ቕርሺ
4.3.2.4. ንገንዘብ ተሓዚ 50.00 ቕርሺ ይኸውን።
4.4. ሓደ ኣባል ብስራሕ ፈፃሚ ኮሙቴ ዝወሃቦ ውሳነ ተቃውሞ እንድሕር ሃልይዎ ናይ ይግበአኒ ሕቶ ናይ ምቕራብ
መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤ ናይ ይግበኒ ሕቶ ንጠቕላላ ጉባኤ የቕርብ።ብማሕበሩ ዝወሃቦ ውሳነ ናይ መወዳእታ
ይኸውን።
4.5. ብማሕበሩ ሕግን ደምብን ከምእውን መምርሒ ብትርጉም ዝልዓል ክርክር፣ ብጠቕላላ ጉባኤ እቲ ማሕበር
ብድምፂ ዝወሃቦ ትርጉም ተፈፃምነት ይህልዎ።
4.6. ናይ ጠቕላላ ጉባኤ ኣኼባ በቢሓደ ወርሒ ግዜ ዝካየድ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ እቲ ወርሒ ድሕሪ ዕለት 30 ዘላ
ቀዳም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቀትሪ ዝካየድ ይኸውን።
4.7. ውሳነ ኣብቲ ኣኼባ ብዝተረኸበ 2/3 ዝበዝሐ ድምፂ ይኸውን። ዝዋሓደ ድምፂ ንብዙሕ ድምፂ ተገዛኢ
ይኸውን።
4.8. እዙይ ውሽጣዊ መምርሒ ክመሓየሽ ካብ ጠቕላላ ኣባላት 1/3 ንክመሓየሽ ሕቶ እንድሕር ኣቕሪቦም ተፈፃምነት
ይህልዎ፤ ተመሓይሹ ክፀድቕ ድማ ካብ 50% ንላዕሊ ድምፂ ክረክበ ኣለዎ።
4.9. እዙይ ውሽጣዊ መምርሒ ኣብ ተግባር ዝውዕለሉ እዋን ናብ ጠቕላላ ጉባኤ ቐሪቡ ካብ ዝፀደቐሉ ዕለት
07/06/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ይኸውን።

ተሓታትነት ብዝምልከት

እዙይ ናይ ማሕበርና መተሓዳደሪ ደምቢ ኣብ ዓዲግራት ከተማ ንዝምልከቶ ቤት ፍርዲ ውሽጣዊ መምርሒ ደምቢ
ኾይኑ ክምዝገብ ኣለዎ።

ኣነ ናይ ገዛ መንበሪ አሃዱ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኣባል ዝኾንኩ ኣብ ላዕሊ ዝተቐመጡ ናይቲ ማሕበር ሕግታትን
ደምብታትን ኣሚነን ተቐቢለን በቲ ሕግን ደምብ መሰረት ተገዛኢ ንምዃን ዝተስማዕማዕኹ ምዃነይ ብፌርማይ ኣረጋጊፀ
ኣለኹ።

ውሽጣዊ ስሪት ማሕብር ኣሃዱ Page 6


7

ታ.ቁ ሙሉእ ሽም ፊርማ ዕለት

1. ታደሰ ግርማይ ተክለሃይማኖት 07/06/2011 ዓ/ም


2. ሃፍቶም ገብረማርያም ምሕረቱ 07/06/2011 ዓ/ም
3. ተክሊት ባራኪ ከበደ 07/06/2011 ዓ/ም
4. መንግስተአብ ገብረሂወት መረሳ 07/06/2011 ዓ/ም
5. ግርማይ ካሳ ብርሃነ 07/06/2011 ዓ/ም
6. አለም ገብረሊባኖስ ሃይሉ 07/06/2011 ዓ/ም
7. በርሀ ዘውደ አረጋዊ 07/06/2011 ዓ/ም
8. ቀሺ ክፍሎም ገ/መድህን ካሕሳይ 07/06/2011 ዓ/ም
9. ለምለም ሓጎስ ሃይለ 07/06/2011 ዓ/ም
10. ተክሊት ገ/ዮሃንስ አባዲ 07/06/2011 ዓ/ም
11. ሓዱሽ ሓጎስ ወ/ሚካኤል 07/06/2011 ዓ/ም
12. ሃይላይ ግደይ ረዳ 07/06/2011 ዓ/ም
13. አርአያ ገ/ፃድቅ አለማዮ 07/06/2011 ዓ/ም
14. ጣሰው አለማዮ መረሳ 07/06/2011 ዓ/ም
15. ተስፋይ ተካ ሓጎስ 07/06/2011 ዓ/ም
16. ገብረኪዳን ወ/ገሪማ በዛብህ 07/06/2011 ዓ/ም
17. ዘቢብ አቢሳ አመና 07/06/2011 ዓ/ም
18. ዮሃንስ ወ/ማርያም ጌታሁን 07/06/2011 ዓ/ም
19. ገ/እግዝአብሄር ብርሃነ በርሀ 07/06/2011 ዓ/ም
20. ገ/መድህን ወሉ ተክሉ 07/06/2011 ዓ/ም

ውሽጣዊ ስሪት ማሕብር ኣሃዱ Page 7

You might also like