You are on page 1of 1

መምርሒ ምጥቃም ‘ዋትሳ-ኣብ' ማሕበረኮም ኤርትራውያን ሊድስን ከባቢኣን

(ማኤሊከ)

ኣባላት ኮሚተ ማኤሊከ 'ዋትስ-ኣብ' ዝኸፈተሉ ዋና ዓላማ ኣባላት ኮሚቴ ንህዝቢ ሓበሬታ ንምምሕልላፍን ካብ ህዝቢ
ሃነጽቲ ዝኾኑ ርእይቶታትን ሕቶታትን ንምቕባልን እዩ። ብሓጺሩ ነዚ ማሕበረኮምና ጠቐምትን ሃነጽትን ዝኾኑ
ርእይቶታትን ሓሳባትን ምስ ኣባላት ኮሚቴ ንምልውዋጥን ልዝባት ንምክያድን እዩ። እዚመምርሒ'ዚ ከነዳልወሉ
ዝተገደድና ምኽንያት ከኣ ተጠቀምቲ ናይዚ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላጥ ከነ ብዘይምፍላጥ ናይ ፖለታካ ሓዘል ዘለዎም
ቪድዮታትን ጽሑፋትን ካልእ ነዚ ኮሙኒቲና ጠቐምቲ ዘይኮኑ ጽሑፋት ወይ ቪድዮታት ናብዚ ግሩፕ ይሰዱ ስለዘለዉ
ብእዋኑ መዕገቲ ንምግባር እዩ።

እምበኣርከስ ኩልና ተጠቀምቲዚ 'ዋትስ-ኣብ' ዚ ዝኾና ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ነገራት ዝርእዩ ቪድዮታታ፡
ሓበሬታታት፡ መልእኽትን ርእይቶታትን ናብዚ መራኸቢ ብዙሓንዚ ኪንሰድድ ኣይግባእን። በዚ መምርሒ'ዚ ንዘይቅየድ
ኣባል ማኤሊከ ግና ብኮሚቴ ማኤሊከ እቲ ዝግባእ መአረምታ ወይ መቅጻዕቲ ኪወሃቦ ይኽእል እዩ። እቲመቕጻዕቲ ከኣ
ክሳብ ካብ ናይ 'ዋትስ-ኣብ' ተጠቃምነት ምኽልካል ኪኸውን ይኽእል። እቲ ጌጋ ምስዝደጋገምን ኣሉታዊ ጽልዋኡ ከቢድ
ምስ ዝኽውንን ግና ክሳብ ካብ ኣባልነት ምስጓግ ከስዕብ ይኽእል። ስለዝኾነ እምበኣር ናይ ዚዋትስ-ኣብ'ዚ ተጠቃሚ
ዝኾነ ኣባል እቲ ዝሰዶ መልእኽቲ ካብዞም ዝስዕቡ ነገራት ነጻ ኪኽውን ይግባእ።

• ንውልቀ ሰባት ታርጌት ዝገብር

• ናይ ሻራነት ወይ ወግንነት መልኽዕ ዘለዎ

• ንናይ ብሕቲ ንግዲ ምውዕዋዕ ዝምልከት

• ሃይማኖታዊ፡ ኣውራጃዊ ወይ ከኣ ብሔራዊ (ዘርኣዊ) ፍልልያት ከምጽእ ዝኽእል

• ንማኤሊከ ሃናጺ/ጠቓሚ ዘይኮነን ብኣሉታ ዝጸሉን

• ካብ ዓላማን መትከልን ናይ ማኤሊከ ወጻኢ ዝኾነ።

ኣብ መወዳእታ ነፍሲወከፍ ኣባል ማኤሊከ በዚ መምርሒዚን ቅዋም ማኤሊከ ተቐይዱ ኪኸይድ ኣጥቢቕና
ነተሓሳስብ።

ኮሚቴ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ሊድስን ከባቢኣን

21 ሕዳር 2022

You might also like