Professional Documents
Culture Documents
ናይ ዋትስ ኣብ ግሩፕ ኣጠቓቕማ መምርሒ
ናይ ዋትስ ኣብ ግሩፕ ኣጠቓቕማ መምርሒ
(ማኤሊከ)
ኣባላት ኮሚተ ማኤሊከ 'ዋትስ-ኣብ' ዝኸፈተሉ ዋና ዓላማ ኣባላት ኮሚቴ ንህዝቢ ሓበሬታ ንምምሕልላፍን ካብ ህዝቢ
ሃነጽቲ ዝኾኑ ርእይቶታትን ሕቶታትን ንምቕባልን እዩ። ብሓጺሩ ነዚ ማሕበረኮምና ጠቐምትን ሃነጽትን ዝኾኑ
ርእይቶታትን ሓሳባትን ምስ ኣባላት ኮሚቴ ንምልውዋጥን ልዝባት ንምክያድን እዩ። እዚመምርሒ'ዚ ከነዳልወሉ
ዝተገደድና ምኽንያት ከኣ ተጠቀምቲ ናይዚ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላጥ ከነ ብዘይምፍላጥ ናይ ፖለታካ ሓዘል ዘለዎም
ቪድዮታትን ጽሑፋትን ካልእ ነዚ ኮሙኒቲና ጠቐምቲ ዘይኮኑ ጽሑፋት ወይ ቪድዮታት ናብዚ ግሩፕ ይሰዱ ስለዘለዉ
ብእዋኑ መዕገቲ ንምግባር እዩ።
እምበኣርከስ ኩልና ተጠቀምቲዚ 'ዋትስ-ኣብ' ዚ ዝኾና ነዞም ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ነገራት ዝርእዩ ቪድዮታታ፡
ሓበሬታታት፡ መልእኽትን ርእይቶታትን ናብዚ መራኸቢ ብዙሓንዚ ኪንሰድድ ኣይግባእን። በዚ መምርሒ'ዚ ንዘይቅየድ
ኣባል ማኤሊከ ግና ብኮሚቴ ማኤሊከ እቲ ዝግባእ መአረምታ ወይ መቅጻዕቲ ኪወሃቦ ይኽእል እዩ። እቲመቕጻዕቲ ከኣ
ክሳብ ካብ ናይ 'ዋትስ-ኣብ' ተጠቃምነት ምኽልካል ኪኸውን ይኽእል። እቲ ጌጋ ምስዝደጋገምን ኣሉታዊ ጽልዋኡ ከቢድ
ምስ ዝኽውንን ግና ክሳብ ካብ ኣባልነት ምስጓግ ከስዕብ ይኽእል። ስለዝኾነ እምበኣር ናይ ዚዋትስ-ኣብ'ዚ ተጠቃሚ
ዝኾነ ኣባል እቲ ዝሰዶ መልእኽቲ ካብዞም ዝስዕቡ ነገራት ነጻ ኪኽውን ይግባእ።
ኣብ መወዳእታ ነፍሲወከፍ ኣባል ማኤሊከ በዚ መምርሒዚን ቅዋም ማኤሊከ ተቐይዱ ኪኸይድ ኣጥቢቕና
ነተሓሳስብ።
21 ሕዳር 2022