You are on page 1of 58

መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

መሰል ደራሲ ናይ መራኸቢት ሽማግለ ሕልው Eዩ ።ብዘይ ጽሑፋዊ


ፍቓድ ምርባሕ ምቕዳሕ ወዘተ… ኣይፍቀድን

-1-
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ትሕዝቶ

መግለጺ……………………………………………………………………………………….3
ምስጋና………………………………………………………………………………………..5
መEተዊ……………………………………………………………………………………….6

1. ሃገራዊ ዋEላ፣ ክልሰ-ሓሳባዊ ምንጩን ታሪኻዊ መበገሲUን...................................….7

2. ምብቃE ዝሑል ውግEን ምትEትታው ዲሞክራሲያዊ ጽገናን ኣብ ኣፍሪቃ…………10


3. መስርሕ ሃገራዊ ዋEላ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ……………………………………………13
4. ውጽIትን ትርጉማትን ሃገራዊ ዋEላታት ኣፍሪቃ…………..…………..…………….16
4. 1. በኒን፣ ኣብነት ናብ ለውጢ ዘሰጋገረ ዋEላ…………..…………..………..16
4. 2. ኣብ መስርሕ ዝቶቖጽየ ሃገራዊ ዋEላታት…...……..…………..………...18
4. 3. ጉዳይ ሃገራዊ ዋEላ ቶጎ…………..…………..…………..…………..…...18
4. 4. ጌጋታትን ጉድለታትን ተቓወምቲ ሓይልታት ቶጎ…………..………….20

5. ግንዛቤ ወይ ተረድO…………..…………..…………..…………..…………..…………22
6. ሃገራዊ ዋEላ ኣብ ኤርትራ…………..…………..…………..…………..…………….…25
6. 1. "ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ"…………..…………..…………..…………..……….26
6. 2. ራቢጣ-ኣል Iስላሚያ…………..…………..…………..…………..……...28
6. 3. ጉባኤ ሰላም ሲነማ Iምፐሮ…………..…………..…………..…………..30
7. ሃገራዊ ዋEላ ኤርትራውያን ኣብ ህሉው መድረኽ…………..…………..…………..….35
7. 1. ዋEላ መዓስ?…………..…………..…………..…………..……………….36
7. 2. መንዮም ተሳተፍቲ ዋEላ?…………..…………..…………..…………….37
8. መንግስቲ ህግዲፍ ኣብ ሃገራዊ ዋEላ ይሳተፍ'ዶ?…………..…………..……………...44
9. ኣገባብን ኣተገባብራን ሃገራዊ ዋEላ ኣብ ህሉው ኩነት ኤርትራ…………..…………..46
10. መደምደምታ.………..…………..…………..…………..…………..…………………49
ጥብቆ፡ ሕቶ ብሄረ-ሰባት ኤርትራ…………..…………..…………..…………..………….52
(ባይቶ ሓድነት ኤርትራ)

መወከሲ፡…………..…………..…………..…………..…………..…………..…………….56

-2-
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

መግለጺ
Eዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ብEላምUን መንፈሱን፡ ምስ’ቲ ንነዊሕ ጊዜ ምEንቲ ሓርነትን ሓድነትን
ኤርትራ ዝተኻየደ፡ ገና’ውን ዝካየድ ዘሎን፡ ተጋድሎ ዝተተሓሓዘ Iዩ፡፡ ከም ፍሉይ Eማም
ዝተበገሰ ከኣ፡ ሓይልታት ተቓውሞ ፡ካብ ቁሩብ ዓመታት ኣትሒዘን፡ ኣንጻር’ቲ ንሃገረ-ኤርትራ
ገቢቱ፡ ህዝቢ ዘብርስ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘካይደO ዘለዋ ቃልሲ ንኽሕይል፡ ጻEርታተን
ከተሓባብራ ምስጀመራ’ዩ፡፡

ኣብ’ቲ ብመሰረታትን መሪሕነትን ተ. ሓ. ኤ. ሃገራዊ ጉባኤ፡ ኣብ ከተማ ካስል ብ2003


ዝተዳለወ መበል 18 ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ወከልቲ ተቓወምቲ ውድባትን፡ ሲቪካውያን
ማሕበራትን፡ ከምU’ውን ኣገደስቲ ምሁራት፡ ርሱን ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ሃገራዊ ዋEላ
ክማላE ዘለዎ መደብ ሙዃኑ ተረዳድU፡፡ ነዚ ምርድዳE’ዚ ከኣ ብምኽታምን ምEዋጅን
ማኒፈስቶ ካስል 2003 ገለጽዎ፡፡

ቀጺሉ’ውን ኣብ መበል19 ፈስቲቫል ኤርትራ ፡ማለት ብ2004፡ ኣብ’ቲ Eዋን’ቲ ንትግባረ


ማኒፈስቶ ካስል ብዘርI ሓላፍነት ወሲዱ ዝነበረ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራን፡ Eቶም
ንማኒፈስቶ ካስል ዝፈረሙ ኣካላትን፡ ብዛEባ Eዚ ጉዳይ’ዚ ንምግምጋም ኣኼባ ኣካየዱ፡፡ Eቲ
ኣኼባ ክሳብ ሽEU ኣብ ኣተገባብራ ማኒፈስቶ ንዘጋጠሙን፡ ኣብ መጻI’ውን ከጋጥሙ
ንዝኽEሉን Eንቅፋታት፡ ብሰፊሑ ተማያየጠሎም፡፡ ድሕሪ ገለ ፍልልያት ዝተጋህደሉ ርሱን
ክትዓት፡ ኣኼባ መሰረታዊ ለውጢ ዝEላምU ዋEላ ኣድላዪ ሙዃኑ ብምርድዳE ተዛዘመ፡፡ ኣብ
መወዳEታU ኸኣ ንሽማግለ ዘተ ሃገራዊ ምሕዝነት ኤርትራን ንፈረምቲ ማኒፈስቶ ካስልን
Eተራኽብ ሓንቲ ኣካል ተመርጸት፣ ንሳ ድማ Eዛ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ኣዳልያ ተቕርብ ዘላ፡
መራኸቢት ሽማግለ (Liaison Committee) Eትበሃል’ያ፡፡

መራኸቢት ሽማግለ ሽU ንሽU ፡ማለት ካብ ቦታ ፈስቲቫል ከይተንቀሳቐሰት፡ ቀዳማይ ኣኼባኣ


ኣካዪዳ ነብሳ ወደበት፡፡ ኣባላታ ናይ ነፍስ-ወከፎም ሓላፍነት ድሕሪ ምፍላጥ፣ ምስ ናይ ሃገራዊ
ምሕዝነት ኤርትራ ዘተ ሽማግለ ኮፍ Iላ፡ ሰራሓ Eተውሃህደሉ ኣገባብ ሰርAት፡፡ ኣባላታ ነናብ
ቦታOም ድሕሪ ምምላሶም ድማ፡ ንኣሰራርሓኣ ዝገዝE፡ ኣባላታ ብፍጹም ዓብላሊ ድምጺ (4 ካብ
5) ዘጽደቕዎ፡ ዝርዝር Eማማቶም ዘብርህ፡ ውሽጣዊ ሕጊ ሓንጺጻ ድሕሪ ምዝርጋሕ ኣብ ስራሓ
ጸመደት፡፡

ሽማግለ፡ ብቀዳማይ ደረጃ ኣብ ክሊ Eቲ ንሓይልታት ተቓውሞ ከቢቡ ዝነበረ ኩነታት፡ ስራሓ


ንምስልሳል ኣብ ቅድሚኣ Eንታይ ምርጫታት ከምዝነበረ ብደቂቑ ዳህሰሰት፡፡ ኣብ ጉEዞ’ቲ
ድህሰሳ’ቲ ከኣ ንሃገራዊ ዋEላ ብዝምልከት ብኹሎም Eቶም ዘገድሱ ሸነኻት ቅቡል ዝኾነ ስፍሕ
ዝበለ መጽናEቲ ክምዘይነበረ ክትድምድም ከኣለት፡፡

ካብ’ዚ መደምታ’ዚ ተበጊሳ፡ መራኸቢት ሽማግለ፡ ዋEላ መኣስን ኣበይን ይጋባE ብዘየገድስ፡
ዝተማለA መጽናEቲ ምድላው ፍጹም ኣድላዪ ምዃኑ ኣመነት፡፡ ዓቕማን ትሕዝቶኣን ብዘፍቅዶ
መጠን ከኣ ነዚ ንምምላE ተበገሰት፡፡

ሽማግለ፡ ዓመት ኣብ ዘይመልA ጊዜ፡ መጽናEቲ ኣካዪዳ ሓደ ንድፊ ጽሑፍ ንምድላው


በቕAት፡፡ ንቀንዲ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ዘዳለወቶ መጽናEቲ፡ ኣብ’ቲ ናይ መበል 20 ፈስቲቫል
ኤርትራ (2005)፡ ኣብ ከተማ ካስል ዝተጸወA ፍሉይ ኣኼባ ብመልክE ሰፊሕ ሰሚናር ንህዝቢ
ገለጸቶ፡፡ ኣብ’ቲ ሰሚናር ንዝቐረበ ርEይቶታት ኣብ ጸብጻብ ኣEትያ፡ ነቲ ጽሑፍ ድሕሪ
ምጽራዩን ምህብታሙን፡ ኣሕቲማ ክትዝርግሖ ሙዃና መብጸዓ ብምEታው ጉEዞኣ ቀጸለት፡፡
Eነሆ ኸኣ: ብዝነበራ ኣዚዩ ድሩት ትሕዝቶ ተዋፊራ፡ መብጸዓኣ ንምምላE በቒዓ፡፡

ጉዳይ ሃገራዊ ዋEላ Eሙቕ ዝበለ ሓሳባትን ኣምራትን ዝሓቘፈ Iዩ፡፡ Eላማ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ
ግን ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዝምልከት ንሓፈሻዊ ህዝቢ ሓበሬታን መልEኽትን ምትሕልላፍ Iዩ፡፡
ስለዝዀነ፡ ኣብ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ሃገራዊ ዋEላ ፡ከም ኣርEስቲ፡ በቲ ዝግብO መጠን ኣካደሚያዊ ወይ
ስነ-ፍልጠታዊ ኣሰራርዓን መልክEን ኣይተዋህቦን፡፡ Eቲ መልEኽቲ ብዝሰፍሐ ህዝቢ ተነቢቡ

-3-
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

መታን ክስተማቐር፡ መራኸቢት ሽማግለ ንኹሉ ዘሳትፍ ልሙድ ወይ ተራ ቋንቋን ቀጥታዊ


ኣቀራርባን Iያ ተጠቒማ፡፡

ብዛEባ’ዚ መጽናEቲ’ዚ ሓላፍነት ዝምልከቶም ኣባላት ሽማግለ Eዞም ዝስEቡ Iዮም፡-

1. ፕሮፈሰር-ዶክተር ተስፋጽዮን መድሃኔ - ኣቦ መንበር፣


2. ኣቶ EስማIል ዓሊ ኣሕመድ - ዋና ጸሓፊ፣
3. ኣቶ ያEቆብ Eንድርያስ - ኩለንተናዊ ተሓባባሪ ኣባል፣
4. ኣቶ መሓመድ ጣሃ ተወከል - በዓል መዚ ዓለምለኻዊ ዜና፡፡

Eዚ መጽናEቲ’ዚ ነቲ ምEንቲ ሓቀኛ ሓርነትን ሓድነትን ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ጻEርታት ደገፍ


ክኸውን ልባዊ ትምኒት ኣባላት ሽማግለ Iዩ፡፡ ነዚ ቅዱስ Eላማ’ዚ ብዘርI፡ ፈታው ህዝቡ ዘበለ
ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ በብኽEለቱ ኣስተዋጽO ክገብር ሓላፍነቱ ሙዃኑ ሽማግለ ንEግረ-መንገዳ
ተዘኻኽር፡፡

መራኸቢት ሽማግለ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋEላ

* ምልክታ፡

Eዚ መጽናEቲ’ዚ ናብ ቋንቋ ዓረብ ይትርጐም ኣሎ፡፡ ዓረብኛ ትርጓመ ናይ’ዚ


ጽሑፍ’ዚ ድሕሪ ቁሩብ Eዋን ክዝርጋሕ ሙዃኑ ንኣንበብቲ ክንሕብር ንፈቱ፡፡

ሽማግለ

-4-
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ምስጋና
Eዚ መጽናEቲ’ዚ ብጽሑፍ ክቐርብ በቒU ዘሎ ብሳላ ጸዓት ናይ ዝተፈላለዩ ተሓባበርቲ Iዩ፡፡
ንኹሎም Eቶም ሓገዛት ዘበርከቱ ኣብ’ዚ ብስም ክንጠቕሶም ዝከኣል ኣይኰነን፡፡ ኣዚዩ ኣገዳሲ፡
ማለት ኣብ ምድላውን ምዝርጋሕን Eዚ ጽሑፍ’ዚ ዳርጋ ወሳኒ ክበሃል ዝከኣል፡ ግደ ዝነበሮምን፡
ገና’ውን ዘለዎም፡ ውሑዳት ግን ኣለዉ፡፡ ናይቶም ካልOት ግደ ከየነኣኣስና፡ Eኳ ደኣ
ብዘበርከትዎ ሓገዛት Eናኣመስገንና፡ ነቶም ልሉይ ኣስተዋጽO ዝገበሩ ውሑዳት ኣስማቶም
ጠቒስና ከነመስግን ዝግባE ይመስለና፡፡

ኣቶ ተስፉ ዘውዴ (ፍራንክፈርት፤ ጀርመን)፡ ነቲ ቀዳማይ ክፋል ናይ’ዚ መጽናEቲ


ብኮምፒዩተር ጽሒፎም ኣበርከቱልና፡፡ ንመገሻ ይቀራረቡ ብምንባሮም ናይ ጊዜ ጽበት Eኳ
Eንተነበሮም፡ ንዓና ከተባብUን Eቲ Eላማ ከኣ ንኽEወትን፡ ነቲ ሓገዝ ተጻጊሞም ገበሩልና፡፡

Iንጅነር ልኣከ ተስፋማርያም፡ (ፍራንክፈርት፤ ጀርመን)፡ ዓበይቲ ክፋላት ናይ’ዚ መጽናEቲ’ዚ


ብኮምፒዩተር ብምጽሓፍ ሓጊዞምና፡፡ Iንጂነር ልኣከ ክልተ ጊዜ Iዮም ክፋላት ወሲዶም
ዝጸሓፉልና፡፡ ነቲ ዝተዋህቦም Eጃም ድሕሪ ምውድOም፡ ገሊU ካብቲ መጽናEቲ ገና
ዘይተጻሕፈ ምንባሩ ፈለጡ Eሞ፡ ነቲ ዝተረፈ ንምውድU Eውን ክተሓባበር Iሎም ተወሳኺ
ገጻት ወሲዶም ብምጽሓፍ፡ ወሳኒ ሓገዝ ኣወፊዮምልና፡፡

ኣቶ ወልደኣብ ፍስሓጽየን (Oስሎ፤ ኖርወይ)፡ ዓቢ ክፋል ናይ’ዚ መጽናEቲ ኣብ ኮምፒዩተር


ብምEታው ጥራይ ዘይኰነ፡ ደሓር’ውን Eቲ ሰነድ ብሙሉU ምስተጻሕፈ፡ ኣንቢቦም ብዙሕ
ጌጋታት ፊደል ብምEራም ዓቢ ሓገዝ ገይሮምልና፡፡

ኣቶ ንጉሰ ሃይለ መንሰዓይ፡ (ፍራንክፈርት)፡ ነዚ መጽናEቲ’ዚ ብሙሉU ኣንቢቦም፡


መኣረምታታት ብምግባር፡ ከምU’ውን ገለ ሓሳባት ብምሃብ፡ ዓቢ ሓገዝ ኣበርኪቶምልና፡፡

ኣቶ ገዛI ኪዳነ፡ (ጎተበርግ፤ ሽወደን)፡ በብEዋኑ ገለ ሓሳባት ብምሃብ ኣብ ርEሲ ምሕጋዞም፡


ነዚ ጽሑፍ ብሙሉU ኣንቢቦም ኣገዳሲ መኣረምታታት ብምግባር ዓቢይ ኣስተዋጽO ገይሮም፡፡

ኣቶ ኣድሓኖም ፍትዊ፡ (ዶርድረኽት፤ ሆላንድ)፡ ሽማግለና ነቲ ጉዳይ ካብ Eትጅምሮ


ኣትሒዞም፡ በብEዋኑ ሓሳባት ብምሃብን ንሞራልና ዘጐልብት ምኽርታትን ምትብባዓትን
ብምልጋስን ዓቢ ኣስተዋጽO ገይሮም፡፡

ኣቶ ዓብደል-ዓዚዝ ኣሕመድ፡ (ሶንደርቦርግ፤ ደንማርክ)፡ ፡ ብደረጃ ናይ ኮምፒዩተር ክIላ፡ ኩሉ


ተክኒካዊ ስራሓት ኣካዪዶም፡ Eዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣትዩ ናብ ህዝቢ
ከምዝበጽሕ ብምግባር ዓቢይ ኣስተዋጽO ገይሮም፡፡

ኣቶ ዜን Oመር (ሰቶኮልም፡ ሽወደን)ን ተሓባበርቶምን ነዚ ጽሑፍ’ዚ ናብ ቋንቋ ዓረብ ናይ


ምትርጓም መደብ ሒዞም ኣለዉ፡፡ Eዚ ንዓወት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዋEላ ማEከላዊ ኣገዳስነት
ዘለዎ ልUል መደብ’ዩ፡፡ Eዚ በዞም ተርጐምቲ ዝካየድ ስራሕ ንሽማግለና ዓቢ ሓገዝ፤ ንመስርሕ
ሃገራዊ ዋEላ ብዝርI ኸኣ ታሪኻዊ ኣስተዋጽO Iዩ፡፡

መራኸቢት ሽማግለ ነዞም ኣብ ላEሊ ዝተጠቕሱን ነቶም ኣስማቶም ዘይተጠቕሱን ኩሎም ብስም
ህዝቢ ኤርትራ ተመስግኖም፡፡

መራኸቢት ሽማግለ

-5-
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

መEተዊ
ሃገራዊ ዋEላ ኣብ ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞ ብዙሕ ክትዓት ክካየደሉ ዝጸንሐን፡ ገናውን
ዝካየደሉ ዘሎን ጉዳይ Iዩ። ንገለ ሕቶታት ብዝርI ፍልልያት Eኳ Eንተሃለወ፡ ሃገራዊ ዋEላ
ብመሰረቱ ኣድላይ ሙዃኑስ ኩሉ Eቲ ኣብ ተቓውሞ ኣለኹ ዝብል ልሉይ ኣካላት ዘይክሕዶ፡
ወይ ከኣ ብወግI ክኽሕዶ ዘይደፍር Iዩ።

ንኤርትራ ብዝምልከት፡ ጉዳይ ሃገራዊ ዋEላ ብዝተፈላለየ ኣስማት ወይ መጸውIታት ይጥቀስ።


ብዙሕ Eዋን “ሃገራዊ ዋEላ" ጥራይ ክበሃል ከሎ፣ ሓደ-ሓደ Eዋን ከኣ "ሃገራዊ ዋEላ ንEርቂ"፣
“ሃገራዊ-ዋEላ ንሓድነት"፣ “ሃገራዊ-ዋEላ ንሰላም" ተባሂሉ ይጥቀስ Iዩ። ብዛEባ Eንታይነቱ ግን
ዳርጋ ናይ ሓባር ተረድO ኣሎ ክበሃል ይከኣል Iዩ። “ሃገራዊ-ዋEላ" ክበሃል ከሎ ዝተፈላለዩ
ፖለቲካውን፡ ሲቪላውን፡ ቁጠባውን፡ ምሁራውን፡ ካልE ማሕበራዊ ጉጅለታትን ብዝግባE
ተወኪሎም፡ ነቲ ሃገር ብዝርEዩ መሰረታዊ ወይ’ውን Eዋናዊ ጉዳያት፡ Eቶም ቀንዲ ሕቶታት
ኣየኖት ሙዃኖም ኣለሊዮም ድሕሪ ምምይያጥ፡ ኣብ ናይ ሓባር ስምምE ዝበጽሑሉ ሰፊሕ
ኣኼባ ማለት Iዩ።

ዋላ’ኳ ብዛEባ መሰረታዊ ትርጉም ሃገራዊ ዋEላ ናይ ሓባር ተረድO Eንተሃለወ፡ ንዝርዝራቱ
ብዝምልከት ኣብ ሞንጎ ገለ ተዋሳEቲ ፍልልያት ኣሎ። ንኣብነት: ዝምድና ሕቶታት ሃገራዊ
ዋEላን ሃገራዊ Eርቅን Eንታይ Iዩ? ክልቲU ኣብ ሓደ Eዋን’ዶ ይኹን ወይስ ነንበይኑ?
ነንበይኑ Eንተኾይኑኸ ኣየናይ ይቐድም? ዝምድና ተቓወምቲ ውድባትን ጉዳይ ሃገራዊ ዋEላን
ርክብ ኣለዎ’ዶ? ምቅርራብን ምርድዳEን ምትሕብባርን ውድባት ን“ሃገራዊ ዋEላ" ቅድመ-
ተደላዪ ሮቛሒ ዲዩ? ቀንዲ ሸቶታት ወይ ሸቶ ዋEላ ኤርትራውያን በዚ Eዋን’ዚ Eንታይ
ይኹን? ነቲ ባEዳዊ መግዛEቲ ዝወለዶ ብዝሐ-ብሄራዊ ኣቃዋውማ ሃገርና ኤርትራ ንምጽዳቕን
ንምምEባልን፡ መስርሕ ሃገራዊ-ዋEላ ብኸመይ ይሕግዝ? ንሃገራዊ ዋEላ መን ይብገሰሉን
ይውድቦን? መነ-መን ወይ Eንታዎትከ ይሳተፍዎ? Eቲ “መንግስቲ"ኸ ክሳተፍ ግቡEን
ተግባራውን ዲዩ? ተሳተፍቲ Eንታይ መምዘኒታት ከማልU ይግባE? ኣየኖት ኣካላት የካይድዎ፣
ይኣልይዎ፣ ይቋመትዎ፣ ይቋጻጸርዎ? ኣበይከ ይሰላሰል? መደባቱ’ኸ ብመንን ብኸመይን
ይተሓንጸጽ? ንመሳላሰሊU ዝኸውን ገንዘብ ብኸመይ ይዋጻE? ግደ ዞባውን ኣህጉራውን
ተሓጋገዝትን ተመጻደቕትን Eንታይ Iዩ? ተቐባልነት ዘለዎ ግደ ናይ ወጻI መንግስታውን
ዘይመንግስታውን ትካላት ብኸመይ ይውሰን? ውጽIት “ሃገራዊ-ዋEላ" ብኹሎም Eቶም ዘገድሱ
ሃገራዊ ኣካላት ፡ማለት በቶም ኣብታ ሃገር ፍትሓዊ ረብሓ ዝሻረኹ ማሕበረ-ሰባትን
ጉጅለታትን፡ ተኣማንን ቅቡልን ንኽኸውን፡ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ሃገርና Eንታይ የድሊ?

ነዚኣተን ኮነ ንኻልOት ሕቶታት ብዝምልከት፡ ናEሽቱ ይኹኑ ዓበይቲ፡ ፍልልያት ክህልዉ


ይኽEሉ’ዮም። Eቲ ክህሉ ዝኽEል ፍልልያት፡ Eንተኾነ ክEለ፡ ካብU ተረፈ ኸኣ ንኽጸብብ Eሞ
Eቲ ዝበሃግ ዘሎ ሃገራዊ ዋEላ ንኽረጋገጽ ሓላፍነታዊ ጻEሪ ክካየድ ኣለዎ። ነዚ ጻEር’ዚ
ንምEዋት ፡ማለት ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ሕቶታት ንምምላሽን ምስU ንዝተዛመደ ፍልልያት
ንምEላይን፡ መታን ክሕግዘና Eምበኣር ንታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ሃገራዊ-ዋEላን፡ ንክልሰ-ሓሳባዊ
መሰረቱን፡ ንተሞክሮታት ዝተፈላለያ ፡ምስ ታሪኽ ሃገርና ዝመሳሰል ታሪኽ ዘለወን፡ ሃገራት
ኣፍሪቃን ኣቐዲምና ክንውከስ ኣድላዪ Iዩ።

-6-
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

1. ሃገራዊ ዋEላ፣ ክልሰ-ሓሳባዊ ምንጩን ታሪኻዊ መበገሲUን


ኣብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዝሃቀነ ሃገራዊ ዋEላታት፡ ኣኼባታት ሓይልታት
ህይወት ሃገር ተባሂሉ Iዩ ዝተገልጸ (ንዞዋነኩ፡ ገጽ 44 )። Eዞም ሓይልታት EዚOም
ብኣድማI ህላዌOምን ንጥፈታቶምን ንሓደ ሃገር ርግኣትን፡ ድምቀትን፡ ትርጉምን ዝህቡ
Iዮም፡፡ ብመስርሕ ዋEላ ኣቢሎም ኣብ ሓባራዊ ስምምE ዝበጽሑ ኸኣ፡ ጥቕምታቶም ዘለልዩ፡
ንዝምድናታቶም ከኣ ዝፈልጡን ዝቕበሉን ምስዝኾኑ Iዩ።

ሃገራዊ ዋEላታት ኣፍሪቃ፡ ምይይጥ መትንታት ህይወት ሃገር’ዩ ነይሩ ዝብል ገለጻ ሓፈሻዊ
Iዩ፡፡ Eቲ ዋEላታት፡ ብጭቡጥ ወይ ብተግባር፡ ናይ ኣየኖት ኣካላት ኣኼባታት ከም ዝነበረ
Eምበኣር ቁሩብ ጽንሕ Iልና ክንርEዮ Iና።

ሃገራዊ ዋEላ ብናይ ግዜ ንውሓቱ Eኳ ዝፈላለ Eንተኾነ፡ ወትሩ ብገለ መድረኻት ወይ ደረጃታት
ሐሊፉ ዝዛዘም መስርሕ Iዩ። ዳርጋ ኣብ ኩለን Eተን ሃገራዊ ዋEላታት ዝተኻየደለን ሃገራት፡
ገለ መሰረታዊ ደረጃታት ኣለዋ። ሓንትን ኣዝያ ኣገዳሲትን ካብኣተን ከኣ ምEዋጅ “ልUላውነት"
Eቲ ዋEላ Eያ፡፡ Eኳ ድኣ፡ “ልUላውነት" ሓንቲ ካብተን ቀንዲ መለለዪታት ሃገራዊ ዋEላ Iያ።

Eቲ ዋEላ ሉUላዊ Iዩ ክበሃል ከሎ Eንታይ ማለት Iዩ? Eዚ ማለት Eቲ ዋEላ ፍጹም ስልጣን
ኣለዎ ማለት’ዩ፡፡ ብኻልE ኣዘራርባ፡ Eቲ ጉባኤ ወከልቲ ናይ’ቲ ኩሉ ሃገራዊ ጉጅለታት
ዝርከቡሉ ኮይኑ፡ ኣብ ልEሊ Eዞም ወከልቲ ህዝቢ EዚOም ብዝዀነ መልክE ተቐሚጡ፡ ዝEዝዞ
ወይ ዝዝውሮ ኣካል ዘይብሉ Iዩ። ኣምራዊ ወይ ክልሰ-ሓሳባዊ Eምነ-ኩርናE ሃገራዊ-ዋEላ
Eምበኣር ኣብ ህዝባዊ ስልጣን ዝረገጸ ልUላውነት Iዩ።

“ህዝባዊ ልUላውነት" ዝበሃል ኣምር ብ18 ክፍለ-ዘመን ዣን-ዣክ ሩሶን ካልOት ፈላስፋታትን
ዘማEበልዎ፡ ኣብ ምልEዓል ጸረ-ንጉሳዊ ምንቅስቓሳትን ቡርዥዋዊ ዲሞክራስያዊ ሰውራታትን
ማEከላዊ ግደ ዝነበሮ ሰረተ-Eምነት Iዩ።

Eቲ ብ1789 ዓ.ም.ፈ ኣብ ሃገር ፈረንሳ ዝተኻየደ ጸረ-ንጉሳዊ ሰውራ፡ ናይ’ዚ ሎሚ ሃገራዊ ዋEላ
Iልና ንጽውO ኣገባብ ኣፈታትሓ ግጭት ፈለማ መልክE ዝኾነ ኣኼባታት ዘሰነዮ Iዩ ነይሩ።

በቲ Eዋን’ቲ ፡ማለት ፈረንሳ ብግዜ ንጉሳዊ መዋEላ፡ ሕብረተ-ሰባ ዝተፈላለየ ትርጉም ደረጃን
ክብርን ብዝነበረን ሰለስተ ማሕበራዊ ዓምድታት ዝቖመ Iዩ ዝነበረ። ንሳተን ከኣ ናይ ልUላን፣
ናይ ቤተ-ክህነት፣ ከምU ኸኣ Eታ ሳልሳይቲ ዓምዲ ተባሂላ ትግለጽ ዝነበረት ክፍሊ ሓፈሻዊ
ግዙኣት ወይ ተራ ህዝቢ ነበራ። ኣብታ ሳልሰይቲ ዓምዲ፡ “ተራ-ህዝቢ" ተባሂሎም ዝተመደቡ፡
ኣካል ናይ ልUላንን ናይ ቤተ-ክህነትን ዘይኮኑ ዓበይቲ ጉጅለታት Iዮም ዝነበሩ፡፡ ቀንዲ
ኣብነታት ናታቶም ከኣ ገባሮ፡ ሓረስቶት፡ ሰራሕተኛታት (ሸቃሎ) ከምU Eውን Eቲ በቲ ጊዜ’ቲ
ተቐልቂሉ ዝነበረ ርEሰ-ማላዊ ቡርዥዋዊ ጉጅለታት Iዮም ዝነበሩ። ኣብ’ቲ Eዋን’ቲ 98%
ናይ’ቲ ህዝቢ ኣካል ሳልሰይቲ ዓምዲ Iዩ ነይሩ።

በቲ ማEከላይ ዘመን ተባሂሉ ዝጽዋE መዋEል (1200-1500 ዓ. ም. ኣቢሉ)፡ Eቶም ኩሎም


ጉጅለታት ዝEከቡሉ ባይቶ መሳሊ ስርዓት ነይሩ Iዩ። Eቲ ስርዓት Eቲ “ሓፈሻዊ-ኣኼባ" ወይ
“ሓፈሻዊ-ጉባኤ" (Estates General) ይበሃል ነይሩ። Eቲ ጉባኤ ካብ 1614 ጀሚሩ
ኣይተጋበAን ዝነበረ።

ፈረንሳ ኣብ ጸረ-ንጉሳዊ ሰውራ ትጓዓዝ ኣብ ዝነበረትሉ መስርሕ፡ Eዚ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኹሉ


ሃገራዊ ጉጅለታት ዝወከለ፡ ግን ከኣ በታ ሳልሰይቲ ዓምዲ ዝተዓብለለ፡ ሰፊሕ ኣኼባ ንሙዃን
በቕA። ከመይ’ሉ ከምዚ ንሙዃን ከም ዝበቕA ምዝካር ድማ ኣድላዪ Iዩ። ኣድላዪ ዝኾነሉ
ምኽንያት ከኣ ባህርያት ናይ’ዚ ሕጂ “ሃገራዊ-ዋEላ" Eንብሎ መስርሕ ከመይ’ሉ ከም ዝመጸን፡
ብርግጽ Eንታይ ሙዃኑን Eውን፡ ስለ ዝሕብረና Iዩ።

-7-
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ኣብ ከባቢ ናይ’ቲ ሰውራ ፈረንሳ ዝተኻየደሉ Eዋን፡ Eቲ ፍጹማዊ ስርዓተ-ንግስና ኣብ ከቢድ


ጸገም ኣትዩ ነይሩ። Eቲ ንጉስ ወይ Eቲ ስርዓት ብርቱE ናይ ገንዘብ ጥፈሻ ወሪዱዎ ነይሩ።
ሓደ ካብ’ቲ ናይ’ቲ ጥፈሻ ምኽንያታት ከኣ ውግEን ሳEቤናቱን ነበረ። ወተሃደራት ንጉሳዊት
ፈረንሳ ኣብ’ቲ ናይ ኣመሪካ ነጻነታዊ ውግE ፡ማለት ኣመሪካውያን ካብ ግዝኣት Eንግሊዝ ነጻ
ንኽወጹ ኣብ ዘካየድዎ ውግE፡ ተሳቲፎም ነበሩ። ኣብ ጉEዞ ናይ’ቲ ተሳትፎ Eቲ ንጉሳዊ
መንግስቲ ብዙሕ ገንዘብ ተለቂሑ ነይሩ። Eቲ ኣብ ተሳትፎ ውግE ዝወዓለ ገንዘብ ብዝኾነ
መልክE ስለ ዘይተተክA ወይ ዘይተመልሰ፡ ንጉስ ፈረንሳ ኣብ ገንዘባዊ ቅልውላው ኣተወ። ክቱር
ገንዘባዊ ጥፈሻ ከይወርዶ ኣዚዩ ሰግA። ኣብ’ቲ Eዋን’ቲ Eምበኣር ናይ ወጻI ሓገዝ ወይ
ምትሕብባር ናይ ግድን ኣድለዮ።

ናይ ወጻI ምትሕብባር ፡ናይ ስነ-ቁጠባ ክIላታት ምትሕብባር ከይተረፈ፡ ንኽረክብ ግን ገለ


ፖለቲካዊ ሕድገታት ፡ማለት ገለ ጽገናታት፡ ክገብር ግድነት ነበረ። ንፖለቲካዊ ስርዓትን፡
ምሕደራን፡ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኣመሰለ ጉዳያት ብዝርI ናብ ሊበራላዊ ስርዓት ዘቕነA
ጽገናታት ክገብር ከም ዘለዎ ተነግሮ። በዚ ምኽንያት'ዚ Eቲ ንጉስ ብ1778 ኣቢሉ ናይ ጽገና
ስጉምትታት ወሰደ። ሓደ ካብ’ቲ ስጉምትታት ከኣ ነቲ ካብ 1614 ዓ.ም ንድሓር ፡ማለት ን164
ዓመት፡ ተኣኪቡ ዘይፈልጥ ዝነበረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኽEከብ ምጽዋE ነበረ።

ቀደም ፡ማለት ብግዜ ፍጹማዊ ንጉሳዊ ስርዓት ፈረንሳ፡ Eቲ ሓፈሻዊ ኣኼባ ወይ ጉባኤ ምEዙዝ
ኣካል Iዩ ዝነበረ። ፍቓድ ናይ’ቲ ንጉስ ጥራይ ዝመልEን ውሳኔታቱ ዝፍጽምን Iዩ ነይሩ።
Eቲ ድሕሪ 164 ዓመታት ፡ማለት ኣብ ኣጋ Eዋን ሰውራ፡ ዝተጋብA ኣኼባ ግን ምEዙዝ
ዘይኮነስ ንድልየቱ ክምክት ሓይለ-መንፈስ ወይ ሓቦ ዘጥረየ፡ ነቲ ስርዓት ንኽታረኾን ክብድሆን
ድሉው ናብ ሙዃን ክምEብል ከኣለ።

Eምበኣር በዚ Eዋን’ዚ Eቲ ሳልሳይ ዓምዲ፡ ማለት ጉጅለ ተራ ህዝቢ፡ ኣብ’ቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ
ቁጽሪ ወከልቱ Eጽፊ ናይ’ቲ ቀደም ዝነበሮ ክኸውን፡ ንኣደማምጻ ብዝምልከት’ውን Eቲ ኣገባብ
ክቕየር Eሞ ድምጺ ናቱ ዓብላሊ ንኽኸውን መከተ፤ Eቲ ንጉስ ከኣ ኣማራጺ ስIኑ ተሰማምA።
ድሕር’ዚ፡ ጉጅለ ተራ-ህዝቢ፡ ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብድምጺ ዓብላሊ ኮይኑ ብተግባር ወሳኒ
ኣካል ኮነ።

በዚ ምEባለ’ዚ ዝተተባበA ዓምዲ ተራ-ህዝቢ ንገዛE ርEሱ ሉUላዊ ሃገራዊ ባይቶ ሙዃኑ ኣወጀ።
ድሕርዚ ኣዋጅዚ ቤተ-ክህነት ናብቲ ባይቶ ተጸንበረ። ወዮ ኣዝዩ ዝተዳኸመ ንጉስ መገላበጢ
ስIኑ፣ ቤተ-ክህነት ይኹኑ መኳንንቲ ናብቲ ዝተኣወጀ ሃገራዊ ባይቶ ይጸንበሩ በለ። ከምዚ Iሉ
Eምበኣር Eቲ መስርሕ ኩሎም ጉጅለታት ሕብረተ-ሰብ ፈረንሳ ዝተወከሉሉ ሃገራዊ ባይቶ ወይ
ሃገራዊ ዋEላ ናብ ሙዃን ተለወጠ።

ኣብዚ ንዓና ካብ ዘገድሳና ነጥብታት ሓንቲ፡ ንግደ ናይቲ ሽU ንጉስ ፈረንሳ ዝነበረ ሉዊ መበል
16 ትምልከት Iያ። ምስ’ዚ ብዝተተሓዘ ክልተ ዝተኣሳሰራ ሕቶታት ነልEል። 1ይ. Eቲ ንጉስ
ኣብቲ ሃገራዊ ዋEላ ፡ማለት ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ብዝኾነ መልክE ተሳቲፉ’ዶ? 2ይ. ኣብ ነዊሕ
መስርሕ ናይቲ ዋEላ’ኸ ተሳቲፉ’ዶ? ዝብላ Iየን። Eቲ ንጉስ ኣብ’ቲ ሃገራዊ ዋEላ
ኣይተሳተፈን። ኣብ’ቲ ዝተናወሐ ወይ ገፊሕ ናብ ዋEላ ዘብጽሐ መስርሕ ግን ተሳቲፉ Iዩ
ክበሃል ይከኣል Iዩ። ነዚ ብዝምልከት ግን ክልተ ክልለያ ዘለወን ነጥብታት ኣለዋ።

1ይ. Eቲ ንጉስ ዝተሳተፈ፡ ብናቱ ተበግሶ ስጉምታት ብምውሳድ ዘይኮነስ፡ ነቲ ዝቐርብ ዝነበረ
ጠለባት (Eንኮላይ ነቲ ብሓፈሻዊ ጉባኤ ዝቐረበ ጠለባት) ብምቕባል Iዩ ዝነበረ። ብኻልE
ኣዘራርባ፡ ባህርያት ግዲU ብቐንዱ ተቐባሊ ወይ ምEዙዝ Iዩ ነይሩ። ነቲ ጠለባት ንኽቕበሎ
ዝደረኽዎ ኣገደስቲ ረቛሒታት ከኣ ውሽጣዊ ጸገማቱን ግዳማዊ ተጽEኖታትን ነበሩ፡፡

2ይ. Eቲ ንጉስ ነቲ ጠለባት ክቕበሎ ከሎ፡ Eቲ መስርሕ ከይዱ ኸይዱ ንEUን ንስርወ-
ንግስነቱን ካብ ስልጣን ምሕዩ ዝድርቢ ሙዃኑ ኣሚኑን ተቐቢሉን ኣይነበረን። ሕልንUን
ግምቱን Eቲ ኩነታት ክሃድE Eሞ ከም ገለ Iሉ ንንግስንU ብሰላም ክቕጽሎ Iዩ ነይሩ፡፡ Eዚ

-8-
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ነጥብታት’ዚ ንመስርሓት ናይ’ቲ በዚ Eዋን’ዚ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ዋEላታት ዘዘክር ተምሳላት


ኣለዎ።

Eዘን ካብ መወዳEታ ሰማንያታት ናይ መበል Eስራ ክፍለ-ዘመን ጀሚሩ ሃገራዊ ዋEላ


ዝተኻየደለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዳርጋ ኹለን ግዙኣት ፈረንሳ ዝነበራ፡ ብመጠኑ ጽልዋ ፖለቲካዊ
ባህሊ ፈረንሳ ዘለወን፡ ክሳብ ሕጂ Eውን ምስ ፈረንሳ ብጽኑE ዝምድና ተኣሳሲረን ዘለዋ Iየን።
ኣገባብ ናይ’ቲ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋEላታት ከኣ፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ኣሰር ናይ’ቲ ብ1788-89
ኣብ ፈረንሳ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ኣኼባን ሃገራዊ ባይቶን ዝተኸተለ Iዩ ዝነበረ፡፡

-9-
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

2. ምብቃE ዝሑል ውግEን ምትEትታው ዲሞክራሲያዊ ጽገናን


ኣብ ኣፍሪቃ
ካብ መወዳEታ 80ታት ወይ ከኣ ካብ መጀመርያ 90ታት ናይ መበል Eስራ ክፍለ-ዘመን
ኣትሒዙ፡ ኣብ ኣፍሪቃ መስርሕ ምትEትታው ዲሞክራስያዊ ለውጥታት ተራEየ። Eቲ መስርሕ
ለውጢ ብወዝቢ ዝመጸ ኣይነበረን። ታሪኻውን Eዋናውን መበገሲታት ዝነበሮ Iዩ።

Eቲ ናይ ቀረባ ታሪኻዊ መበገሲU ክበሃል ዝከኣል፡ Eተን ሃገራት ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ ድሕሪ
ናጽነት ምጉንጻፈን ን30 ዓመታት፡ ብወተሃደራውን፡ ውልቀ-ምልካውን፡ ዝተፈላለየ ጨቛኒ
ስርዓታትን ምስቓየን፣ Eሞ ከም ሳEቤኑ ከኣ ህዝብታተን ብድኽነትን ድሕረትን ሓሳረ መከራን
ምድሃኹ Iዩ። ኣህዛብ ሃገራት ኣፍሪቃ ፡ብሕልፊ Eኳ Eቲ ምሁርን ዘመናውን ሸነኻት፡
ንመግዛEቲ ውልቀ-ሰልፍን ውልቀ-ምልክን ጸሊU፡ ንዲሞክራሲ ሃንቀው ክብል ናይ ግድን ነበረ።
Eዚ Eምበኣር ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ ዝሰማማE፡ ዝተመድመደ ውሽጣዊ ባይታ ነይሩ ማለት
Iዩ።

Eዋናዊ መነሃርያ መስርሕ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ውሽጣውን ግዳማውን ተባሂሉ ኣብ ክልተ


ክኽፈል ይከኣል፡፡ Eቲ ውሽጣዊ ሮቛሒ ብቐንዲ ሸነኹ ምስ ታሪኽ ዝተዛመደ Iዩ ዝነበረ።
ብቐዳምነት፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ህዝቢ በቲ ዝነበረ ስርዓታት ረብሪቡ ነይሩ። “መታን
ክንምEብል መንግስታዊ ቁጽጽር ኣድላዪ Iዩ”፡ ብዝብል ምስምስ ዝትግበር ዝነበረ ጭቋኒ
ፖሊሲ Iዲሞከራሲያውያን መንግስታት ጸላEላE ኣቢሉዎ ዝነበረ ህዝብታት ፡ብልቡ ሸፊቱ
ነይሩ። ካልኣይን ኣዝዩ ኣገዳስን ዝኾነ ሸነኽ ከኣ ምድኻም ናይ’ቲ መንግስታት ነበረ። Eቶም
መራሕቲ ነቶም ህዝብታት ኣብ ድኽነት ኖቚቶም ኣደዳ ጭቆና ስለ ዝገበርዎም ሓቀኛ
ቅቡልነት (legitimacy) ዘይውንኑ Iዮም ነይሮም። ክብረት ዝበሃል ኣይነበሮምን። ብጥረ-
ሓይሊ ፡ማለት ብጠበንጃን ማEሰርትን ፍርሕን ራEድን፡ ጥራይ Iዮም ነቲ ኩነታት ተቖጻጺሮሞ
ዝነበሩ።

ብግዳማዊ ሸነኽ ከኣ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣህጉራውን ዓለማውን ምEባለታት ነይሩ። ኣህጉራዊ
ምEባለታት ክንብል ከለና ኣብ ኣፍሪቃ ዝተራEየ ፍጻሜታት ማለትና Iዩ። ገለ ካብቲ ንጉዳይ
ዲሞክራሲ ኣገዳሲ ዝኾነ ተረኽቦታት ወይ ምEባሌታት Eዚ ዝስEብ ነይሩ፡፡

1ይ. በቲ Eዋን’ቲ ዝነበረ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን ንኽፍሊ-ዓለምና ዝምልከቱ ካልOት


ስርIታትን፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ግሉጽ ምምሕዳርን ሕብረ-ሰልፋዊ ዲሞክራሲን ናይ ግድን
ከም ዘድልዩ ኣወጁ። ነዚ ጉዳይ’ዚ ብዘርI ሕጂ ታሪኻዊ ኮይኑ ዘሎ ሰነዳት ዘርግሑ። Eዚ
መግለጺታት Eዚ፡ ንኣድላይነት ዲሞክራሲ ብዝምልከት ንብዙሕ ኣፋፍኖት ፖለቲካ ዝነበሮ
ኣፍሪቃዊ ዜጋ ጸለወ።

2ይ. ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ኣፍሪቃ’ውን ገለ ኣዚዩ ኣገዳሲ ፍጻሜታት ነይሩ። ናሚብያ ካብ


መግዛEቲ ዓሌታዊት ደቡብ ኣፍሪቃ ሓራ ወጺኣ፡ ኣዝዩ ዝማEበለ ሕገ-መንግስቲ ዝመሰረቱ
ዲሞክራስያዊ ስርዓት ተኸለት። Eቲ ሕገ-መንግስቲ ኣብ ክፍሊ-ዓለምና ንፈለማ Eዋን ሓደ ሰብ
ካብ ክልተ ግዜ ንላEሊ ፕረዚደንት ኮይኑ ከይምረጽ ሓንጸጸ። ብኻልE ኣዘራርባ፡ ንሓዋሩ
ስልጣን ምሓዝ ተሪፉ፡ ሓደ ሰብ ንውሱን ግዜ ጥራይ Iዩ ርEሰ-ብሄር ክኸውን ዝኽEል
ማለት’ዩ። Eዚ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዓቢ ትርጉም ዘለዎ ሓዲሽ ዅነት ኣተኣታተወ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ንገዛE ርEሳ ሓደ ታሪኻዊ ዝኾነ መስርሕ ምስግጋር ይካየድ ነይሩ። Eቲ
ዓሌታዊ ዝኾነ ስርዓት “ኣፓርትሃይድ” ከምቲ ዝነበሮ ክቕጽል ስለ ዘይከኣለ፡ Eታ ሃገር ኩሉ
ዓሌታት ማEረ ዝረኣየላ፡ ዲሞክራስያዊት ናብ ሙዃን ንኽትሰጋገር ተሰማምA ወይ ተቐበለ።
ከም ኣካል ናይቲ ስምምE ከኣ Eቶም ንነዊሕ ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ንስለ ማEርነት
ኣንጻር’ቲ ስርዓት ዝጋደሉ ዝነበሩ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ተፈትሑ። ካብኣቶም ሓደ ድማ ድሓር
ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ዝኾኑ ነልሰን ማንደላ ነበሩ። ድሕሪ ናይ 27 ዓመታት ማEሰርቲ
ዝተፈትሑ ማንደላ ምስ ምሉE ኣEምሮOምን ድልዱል ሞራሎምን ጸኒሖም፡ ንውድቦም ፡ማለት

- 10 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ንኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ጉባኤ፡ መሪሖም፡ ብዝተሓላለኸ ናይ Eርቅን ሰላምን መስርሓት ድሕሪ


ምሕላፍ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ኣAዊቶም፡ ርEሰ-ብሄር ኮይኖም ተመርጹ።

Eዚ ንገዛE ርEሱ፡ ኩነታት Eሱራት ፖለቲካ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳብ ክንደይ ዘይሰብኣውን
ዘሕፍርን ከም ዝነበረ ኣዘኻኸረ። “ዓሌታዊት ደቡብ ኣፍሪቃ Eኳ ከም ዲሞክራሲያዊት ሃገር
ዝተሓደሰትስ፡ Eተን ብደቀባት ዝመሓደራ ሃገራት ኣፍሪቃ ከመይለን ዘይዲሞክራስያውያን
ኮይነን ይተርፋ" ዝብል ሕቶ ደሚቑ ተቐልቀለ። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብ ኣፍሪቃ መስርሕ
ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ጠለብ ሓነነ።

ብዓለም ደረጃ ከኣ ሓድሽ መድረኽ ዝኸሰተ ምEባለታት ተራEየ። Eቲ ብቐዳምነት ዝተራEየ


ምEባለ፡ መፈጸምታ ዝሑል ኩናት ዓለም ነበረ። ድሕሪ ምውዳE 2ይ ውግE ዓለም፡ ብመሰረት
ስነ-ሓሳባውን ስትራተጅካውን ጥቕምታት፡ ንዓለም ኣብ ምብራቓውን ምEራባውን ደምበታት
ዝመቐለ ፍልልያት ዘኸተሎ ቃልሲ Iዩ ዝሑል ኩናት ዝተባህለ። Eዚ ኩናት Eዚ ኣብ
መወዳEታ 80ታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን ኣብቀA።

ብEዋን ዝሑል ኩናት ደንበ ምብራቕን ደንበ ምEራብን ንስነ-ሓሳባውን ስትራተጅካውን መደባት
ቀዳምነት ብምሃብ፡ ንዝተፈላለያ ኣፍሪቃውያንን ካልOት ስሉስ ዓለማውያን መንግስታትን፡ ጸረ-
ዲሞክራሲ ምዃነን ብዘየገድስ፡ ይቕበልAንን ይድግፈAንን ነይረን Iየን። ዝሑል ኩናት
ብምውድU፡ ብዙሓት ድክታቶራውያን ስርዓታት ዝድግፎም ዓብይ ሓይሊ ስIኖም ኣብ ጸገም
ኣተዉ። ኣብዚ ኩነታት’ዚ ከኣ ሃገራውያን ተጻረርቶም ዲሞክራሲ ንኽጠልቡ ተተባብU።

ምስ ምውዳE ዝሑል ኩናት ብዝተተሓሓዘ ምEባሌታት፡ ሃገራት ምብራቕ ኤውሮጳ ኣብ


መስርሓት ለውጢ ኣተዋ። ውልቀ-ሰልፋዊ ኣገባብ ገዲፈን ናብ ሕብረ-ሰልፋዊ ዲሞክራሲያዊ
ስርዓት ንምስግጋር ተበገሳ።

Eቲ ኣዝዩ ከቢድ ሳEቤናት ዘኸተለ፡ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ዝተረኽበ ምEባለ፡ ውድቀት


ሕብረት-ሶቭየት ነበረ። Eዛ መወዳድርቲ ኣመሪካ ዝነበረት ሓያል ሃገር ብ1991 ፈራረሰት።
ኣቝመንኣ ዝነበራ ሃገራት ተፈናጪለን ነንገዛE ርEሰን ሉUላውያን ሃገራት ኮና። ካብ’ዘን ኩለን
Eታ ዝዓበየትን ዝሓየለትን ሩስያ Iያ። Eንተዀነ ግን፡ Eዛ ሃገር Eዚኣ ኣሽምባይዶ ከምቲ
ሶቭየት ሕብረት ዝነበረቶ ኣበራታIት ሓይልታት ጸረ-ሃጸይነት ክትከውንስ፡ ንገዛE ርEሳ Eኳ
ከም ሃገር ብቑጠባ ኮነ ካልE መዳያት ብዘተኣማምን መጠን ደው ክትብል ኣይከኣለትን።

ሶቭየት ሕብረት ብምፍራሳ፡ Eቲ ንጠለባትን ተጽEኖን ኣመሪካን ተሓባበርታን ንምምካት


ዝሕግዝ ዝነበረ ልEለ-ሓያል ዓረበ። ብኻልE ኣዛራርባ፡ ኣመሪካን ተሓባበርታን፡ ዝEንቅፈን
ሓይሊ ብዘይምህላዉ፡ ንጥቕምታተን ዘዋፍር መደባት ንምትግባር፡ ኣብ ልEሊ ሃገራት ኣፍሪቃ
ብዘይ ገለ ጸገም ተጽEኖታት ክገብራ ከኣላ። ገሊU ካብ’ቲ ተጽEኖታት ከኣ “ዲሞክራሲ" ዝብል
ጉልባብ ዝለበሰ ነበረ።

ገለ ምEራባውያን መንግስታት ግን ብሓደ ሸነኽስ ፡ንዝተወሰነ መጠን Eኳ Eንተኾነ፡ ኣብ


ኣፍሪቃ ዲሞክራሲ ክተኣታቶ ኣለዎ ዝብል ተገዳስነት ነይሩወን Iዩ። ነዚ ምኽንያታት ካብ
ዝኾኑ ሓደ Eቲ ስምIትን ኣረኣEያን ናይ ህዝብታተን Iዩ ዝነበረ። ኣብ ኣፍሪቃ ሓገዛት Eኳ
Eንተተዋህበ ምEባለ ኣይረAን ዘሎ፤ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ግህሰት መሰላት ይፍጸም ኣሎ፡ ወዘተ.
ብምባል Eቶም ምEባለ ዝብህጉን ንሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቑን ዝሕለቑን ምEራባውያን ትካላት፡
ኣፍሪቃ ንዲሞክራሲ ክትክፈት ኣለዋ ዝብል መርገጺ ነይርዎም። Eዚ Eምበኣር ሓደ ካብቲ
ንምEራባውያን መንግስታት ዲሞክሲ ኣብ ኣፍሪቃ መታን ክተኣታቶ ተጽEኖ ንኽገብሩ
ዝደረኾም ምኽንያታት ነይሩ።

ብተግባር ኣካል ምEራባዊ ሓይልታት ዝኾኑ ዓለም ለኻዊ ገንዘባዊ ስርIታት ከኣ፡ ንጠለብ
ዲሞክራሲ ኣበርቲOም ከነሃህርዎ መደቡ። ካብዞም ስርIታት EዚOም፡ Eቶም ዝዓበዩን
ዝሓየሉን ባንካ ዓለምን ዓለምለኻዊ ገንዘባዊ ትካልን ነበሩ። Eዞም ትካላት EዚOም ናይ’ቲ
ስርዓት ነጻ-Eዳጋ ዝበሃል ፡መንግስታት ኣብ ኤኮኖሚ Iደን ንኸየEትዋ ዘማሕጽን መርገጽ፡
ቀንዲ ተጣበቕትን ኣተግበርትን Iዮም።

- 11 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ነዞም ገንዘባዊ ትካላት EዚOምን ንምEራባውያን መንግስታትን፡ ኤኮኖሚያዊ ክፉትነትን (ማለት


ነጻ-Eዳጋን) ዲሞክራስን ዘይፈላለያ ኣምራት Iየን፡፡ ኤኮኖምያዊ ክፉትነት፡ ዓበይትን ሓያላትን
ንዝኾና ኩባንያታት ኣብ ዝደለየO ሃገር ከይደን ብዘርበሐን ኣገባብ ክዋሰኣ ዘኽEለን ስርዓት
Iዩ።

Eምበኣርከስ Eዞም ኣብ ላEሊ ዝተጠቕሱ ዝተፈላለዩ ውሽጣውን ግዳማውን ረቛሒታት


ብዝገበርዎ ድፊIት፡ ወይ ከኣ ኣብ ዝፈጠሩዎ ሃዋሁው፡ Eዩ መስርሕ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ
ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ መፈለምታ 90ታት ዝተጀመረ። ሓደ ካብ’ቲ ኣገባባት ለውጢ ወይ ዓይነታት
መስርሕ ከኣ ሃገራዊ ዋEላ ነበረ።

- 12 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

3. መስርሕ ሃገራዊ ዋEላ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ


ከም ኣገባብ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ሃገራዊ ዋEላ ኣብ’ተን ፍራንኮፎን ፡ማለት ቋንቋ ፈረንሳ
ዝዛረባ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ Iዩ ዝተራEየ። Eዘን ሃገራት Eዚኤን ግዙኣት ናይ ፈረንሳ ዝነበራ
ኮይነን፡ ተምሳላት ፖለቲካዊ ባህሊ ገዛIተን-ነበር ዝጸለወን Iየን። Eዘን ሃገራት Eዚኤን
“ጽልዋ" ታሪኽን ፖለቲካዊ ባህልን ፈረንሳ ኣለወን ክበሃል ከሎ ግን፡ ናይ’ዚ ባህሊ’ዚ ድልዱል
ውርሻዊ ትሕዝቶ ዘለወን Iየን ማለት ኣይኮነን። ብኻልE ኣዘራርባ፡ Eቲ መግዛEቲ ፈረንሳ
ካብ’ዚ ፖለቲካዊ ባህሊ’ዚ ብኣዚዩ ድሩት ዝኾነ መጠን ጥራይ’ዩ ጀርበብ ዘበለለን። Eቲ ውርሻ
ዝበሃል ዘሎ፡ ብፍልጠትን ዝውታረን ቋንቋ ፈረንሳን፡ ብኻልE ግዳማዊ መልክዓትን ጥራይ
ዝገሃድ ላህመታዊ ትሕዝቶ Iዩ ዘለዎ።

ኣብዘን ሃገራት Eዚኤን መስርሕ “ሃገራዊ-ዋEላ" ብቐሊሉ ክትግበር ኣይከኣልን Iዩ ዝነበረ።


ዋላ’ኳ Eቲ መስርሕ Eንተተጀመረ’ውን፡ ብገለ ምትንዃላት ብቐሊሉ ክቑጸ Eሞ ፍረ ካብ
ምፍራይ ክቦክር ዝኽEል Iዩ ዝነበረ። Eዚ ጸገም’ዚ ብዙሕ መግለጺታት ዘለዎ ጉዳይ Iዩ።
ሓደ ካብቲ መግለጺታት ድማ ኣቃዋውማ ናይዘን ሃገራት Eዚኤን ብመስርሕ ባEዳዊ
መግዛEታዊ ዓመጽ Eምበር ብናይ’ቲ ህዝብታት ሉዓላዊ ሕብረIኮኖሚያዊ ምEባለ ፡ማለት
ብናይ’ቲ ህዝብታት ነጻ ዝኾነ ምትEትታውን ምውህሃድን መስርሕ፡ ዝመጸ ዘይሙዃኑ Iዩ።

ሃገራዊ ዋEላ Eንታይ ማለት ሙዃኑ ከም መEተዊ ናይ’ዚ ጽሑፍ’ዚ ዝኸውን ሓጺር ትርጉም
ኣቐዲምና ጠቒስና ነይርና። Eንተኾነ ግን ስፍሕ ዝበለ ትርጉም “ሃገራዊ-ዋEላ" ምፍላጥ ኣድላዪ
Iዩ። Eንታይ Iዩ “ሃገራዊ-ዋEላ"? ብዛEባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ ዝተዳለወ ጽሑፍ፡ ክልተ ደራስያን
ንሃገራዊ-ዋEላ ብኸምዚ ዝስEብ ይገልጽዎ።

“ሃገራዊ ዋEላ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ሃገራዊ ክትE (National debate) ተባሂሉ ይጽዋE


Iዩ። Eዚ ዋEላ’ዚ ንንውሕ ዝበለ Eዋን Iዩ ዝካየድ። ወከልቲ Eተን ቀንዲ ዝኾና
ፖለቲካውን ሲቪላውን ጉጅለታት ንመጻI ፖለቲካዊ Eድል ናይታ ሃገር ዝጥምት ውጥን
ንምምEባል ንኽትE ዝEደሙሉ ህዝባዊ ባይቶ Iዩ። Eቲ ዝወጽE ውጥን ብመሰረት
ሓባራዊ ስምምE Eንተኾነ ዝምረጽ Iዩ።" (ሉንድ፣ ሳንቲሶ)

ቀንዲ ዝኾና ፖለቲካውያንን ሲቪላውያንን ጉጅለታት ዝበሃላ ዘለዋ፡ Eተን ኣቐድም ኣቢልና
ሓይልታት ህይወት ሃገር Iልና ጠቒስናየን ዝነበርና ጉጅለታት Iየን። Eዘን ጉጅለታት
EዚAን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገር (ወይ Eውን Eዋን)፡ ከከም ኩነታቱ፡ ብመንነተን ወይ
Eንታይነተን ዝተፈላለያ ክኾና ይኽEላ። ብዙሕ Eዋን Eቲ ዋEላ ዳርጋ ንኹለን ዝተፈላለያ
ህዝባዊ ጉጅለታት ዝወከለ ብሓቂ “ሃገራዊ" ዝኾነ ኣኼባ’ዩ ዝበሃል፡ ወከልቲ ሰልፍታትን ካልE
ፖለቲካዊ ውድበታትን፣ መራሕቲ ሃይማኖታዊ ስርIታት፣ ወከልቲ ዓበይቲ ማሕበራዊ ጉጅለታት
ከም ደቀንስትዮ፡ ምሁራት፡ ተመሀሮ፣ ወከልቲ ቁጠባዊ ጉጅለታት ከም ነጋዶን ሰራሕተኛታትን
ሓረስቶትን፣ ልሉያት ሰብ ሞያ ከም ጠበቓታትን ጋዜጠኛታትን፣ ወከልቲ ሰራሕተኛታት
መንግስቲ (ምናልባት’ውን Eንኰላይ ወተሃደራት) ወዘተ… ዝተሳተፉሉ ምስዝኸውን Iዩ፡፡
ብሓቂ፡ ማለት ብጭቡጥ፡ ግን ናይ Eቲ ዋEላ ቀንዲ ተሳተፍቲ፡ ኣብ መብዛሕትU ኩነታት
ኣፍሪቃ ካብ’ቲ ፖለቲካዊ ጉጅለታትን ምሁራዊ ሸነኻት በርገሳዊ ሕ/ሰብን ዝተዋጽU ኣካላት
Iዮም።

ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ዋEላ፡ ምሁራንን ምሁራትን ኣካላት Aገዳሲ ግደ ኣለዎም። ንኣብነት ኣብ


ፍራንኮፎን ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝተራEየ፡ ምሁራን(ት) ኣካላት ናይ’ቲ ሃገራዊ ዋEላ ራEይ ኣብ
ምምEባልን፡ ስትራተጂ ኣብ ምህንዳስን ልሉይ ተራ ነይርዎም። መወዳEታ ሰማንያታት
ጽምብል መበል ክልተ ሚEቲ ዓመት ሰውራ ፈረንሳን፡ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣዋጅ
ሉUላውነት ጉጅለ ተራ-ህዝብን ሙዃኑ ፈሊጦም ንራEይ ሃገራዊ ዋEላን ሉUላውነቱን ጎስጓስ
ገበሩ። ንዝነበሮም ልUል ኣፍልጦ ታሪኽን ፖለቲካዊ ክልሰ-ሓሳብን ብምትርኣስ፡ ከይዱ-ኸይዱ
ልUላውነት ዘጥሪ ሃገራዊ-ዋEላ ከም ዝጥለብ ገበሩ።

- 13 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

Eላማ ሃገራዊ ዋEላ ብዛEባ መጻI ፖለቲካዊ Eድል ሃገር ኣብ ሓባራዊ ስምምE ንምብጻሕ፡ ክትE
ምውዳብን ምክያድን Iዩ። Eዚ ግን ሓፈሻዊ ገለጻ Iዩ። መጻI ፖለቲካዊ Eድል Eታ ሃገር
Eንታይ ሕቶታት ከም ዘስEብ ወይ ኣድላዪ ከም ዝገብር ከም ኩነታት ናይ’ቲ ሃገር ይፈላለ
Iዩ። ብኻልE Aዘራርባ፡ ባህርያት ናይ’ቲ ብመስርሕ ዋEላ ክረጋገጽ ዘለዎ Eላማታት ይፈላለ
Iዩ።

ንዝተፈላለየ ተሞክሮታት ሃገራዊ ዋEላ ኣብ ግምት ብምEታው፡ Eዚ መስርሕ’ዚ ብብዙሕ


መንገዲ ጠቓሚ ከምዝኾነ ተመራመርቲ ይገልጹ፡፡ Eዞም ዝስEቡ ገለ ካብ’ቶም ከም ኣብነታት
ዝጥቀሱ ጥቕምታት Iዮም፡፡ (ሉንድ፣ ሳንቲሶ)

ሀ. ሃገራዊ ዋEላ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር ንዘሎ ግሁድ ጎንጽታት ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ


ንምፍታሕ የኽEል።

ለ. ነቲ ንዳሕራዩ ቅርሕንትታትን ጎንጽታትን መታን ክይለዓሉ፡ ንዝተፈላለያ ጉጅለታት ናይ’ታ


ሃገር ከሳትፍን ከቕስንን ዝኽEል ፖለቲካዊ ስርIታትን ኣገባብ ባይቶኣዊ ምርጫን ንምምሃዝ
ዝሕግዝ መምርሒታት ይሕንጽጽ።

ሐ. ነቲ ምሕደራ ወይ ኣካይዳ ናይ’ቲ መንግስቲ የመሓይሾ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመስርሕ ምEባለ


ፖለቲካዊ ባህሊ ናይ’ታ ሃገር Eውን ብኣዎንታ ክጸልዎ ይኽEል።

መ. ካብ ምልካዊ ናብ ዲሞክሲያዊ ስርዓት ንምስግጋር የኽEል፣ ከምU Eውን ንሓደ ህሉው


ስርዓት ዝተፈተነን ህዝባዊ ተቐባልነቱ ዘመስከረን ክኸውን የብቅO።

ሰ. ተቓወምቲ ጉጅለታት፡ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምርግጋጽ ኣብ ክንዲ Eጥቃዊ ግጥምያ ሰላማዊ


ኣገባብ ንኽመርጹ ዘተባብOም ሃዋሁው ይፈጥር። ብኻልE ኣዘራርባ፡ ብዛEባ ኣመጻጽኣ ለውጢ
ንዘለዎም ኣመለኻኽታ ናብ ሰላማዊ ማEዝን ከምዝጥምት ይገብሮ።

ቀንዲ Eላማ ናይቲ ኣብ ፈለማ ተስዓታት ዝተራEየ ሃገራዊ ዋEላታት ኣፍሪቃ Eተን ሃገራት ካብ
ሓደ ሰልፋዊ ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ናብ ብዝሐ-ሰልፋዊ ስርዓት ክሰጋገራ Iዩ ዝነበረ። ካብU
ተረፈ፡ ብመጠኑ ፍልይ ዝበለ Eላማ ዘለዎ ዋEላታት Eውን ኣሎ። ንኣብነት ከም በዓል ሶማል
ንዘኣመሰላ ዝተሮኽመሻ ሃገራት ዝርI ዋEላ፡ EላምU Eታ ሃገር Eንደገና መታን ክትትከል
ብዛEባ ዘድሊ ቅርጽን መትከላትን ሓባራዊ ስምምE ንምርግጋጽ Iዩ። ከምU’ውን ዋላ’ኳ
ኣይትሮኽመሽ Eምበር፡ ብሲቪላዊ ኲናት ንዝተሓመሰት ሃገር ዝምልከት ሃገራዊ ዋEላ፡ EላምU
ሰላም ኣንጊስካ ጥጥሐ ሃገር ንምድልዳልን ንምርግጋጽን ይኸውን።

ኣብ ታሪኽ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስና ምስ EነማEዱ፡ ሓደ ክማላE ዝነበሮ፡


ኣብ ብዙሕ ኩነታትስ ሕጂ’ውን ገና ክማላE ዘለዎ፡ ንሃገራዊ ዋEላ ክምልከት ዘኽEል ጉዳይ
ነይሩ። ንሱ ድማ ነቲ ክልሰ-ሓሳባውያን፡ ወይ ተመራመርቲ፡ “ጂዮግራፍያዊ-ቅቡልነት"
(geographical legitimacy) Iሎም ዝገልጽዎ ኣምር ዝምልከት Iዩ። Eዚ ኣምር’ዚ
መሰረታዊ ኣገዳስነት ስለዘለዎ፡ ሕጽር ዝበለ ገለጻ የድልዮ Iዩ።

ብሓጺሩ፡ ጅዮግራፍያዊ-ቅቡልነት፡ ዝተፈላለዩ ብሄረ-ሰባዊ ጉጅለታት ወይ ማሕበረ-ሰባት ሓደ


ሃገር፡ ነንሓድሕዶም ከም ደቂ Eታ ሃገር ተቐባቢሎምን ተፈላሊጦምን፡ ናይ ሓባር ዜጋዊ
መንነቶም ዘረጋገጹ ሙዃኖም ዝገልጽ ኣምር Iዩ፡ Eዚ “ንሕና ደቂ ሓንቲ ሃገር Iና" ዝብል
ናይ ሓባር Eምነት፡ ወይ ኣብ ጉEዞ ታሪኽ ዘገም Eናበለ ይምEብል፡ ወይ ከኣ፡ ኣብ ሃገራዊ
ዋEላ ወይ ኣብ ተመሳሳሊ መስርሕ፡ Eቲ ዝፈላሊ ዝነበረ ዉንዙፍ ጉዳያትን Eቲ ንሓዋሩ
ክመቓቕል Eሞ ንሓድነት ሃገር ክዝርግ ዝኽEል ዛEባታትን ምስተፈትሐ፡ ብEሊ (ምናልባት’ውን
ብመስርሕ ረፈረንዱም ሓሊፉ) ይEወጅን ይጽምበልን። ከምU’ውን፡ ብገለ መልክዓት፡ ከከም
ኣድላይነቱ፡ ብተደጋጋሚ (ማለት ገለ ዓመታት ጸጸኒሕካ) ዝሕደስን፡ ዝዝከርን፡ ዝበራበርን
ክኸውን ይኽEል።

- 14 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ንሃገራት ኣፍሪቃ ብዝርI፡ ኣምር ጂዮግራፊያዊ ቅቡልነት ማEከላዊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ከም’ቲ
ኣቐድም ኣቢሉ ዝተጠቕሰ፡ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ባህርያዊ ወይ ከኣ ውሽጣዊ ፡ማለት
ናይ ገዛE ርEሰን፡ ብዝኾነ መስርሕ ታሪኽ ተቐልቂለን ፖለቲኮ-ጂዮግራፊያዊ ቅርጺ ዘማEበላ
ኣካላት ኣይኮናን። ሓያላት ኤውሮጳውያን መንግስታት ካብ ደገ መጺOም ንዝተፈላለያ ብሄረ-
ሰባት ፡ታሪኸንን ዝምድናታተንን ብዘየገድስ፡ ኣብ ሓደ ጠርኒፎም ግዝኣትና Iሎም ስለ
ዝሰመይወን ጥራይ Iየን ከም ሃገራት ቆይመን። ኤውሮጳውያን ገዛEቲ ነዚ ክገብሩ ከለዉ
ንብዙሓት ብሄረ-ሰባት መቓቒሎም፡ ምስ ዘይፈልጥAንን ዘይራኸበAንን ካልOት ብሄረ-ሰባት
ጠሚሮመን Iዮም፡፡ Eምበኣር Eዘን ብዘይ ናተን መስርሕ ከም ግዙኣት ጥራይ ዝተጠርነፋ
ሃገራት ጅዮግራፍያዊ ቅቡልነት ኣይነበረንን። ስለዘይነበረን ድማ፡ ድሕሪ ባንዴራዊ ነጻነተን
Eውን፡ ብድልዳለU፡ ነቲ ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝለበሰO ግዳማዊ ልUላውነት ዝመጣጠር ውሽጣዊ
ልUላውነት ንኸረጋግጻ ጸገመን፡፡

ብተወሳኺ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ኤውሮጳውያን ገዛEቲ ናጽነተን ክረኽባ ከለዋ፡ ጂዮግራፊያዊ


ቅቡልነት ከማEብላሉ ዝኽEላ ኣገባብ ኣይተኸተላን። ዳርጋ መብዛሕትAን ንሕገ-መንግስቲ
ዝምልከት ላህመታዊ ኣኼባታት ደኣ ገበራ ኣምበር፡ ብዋEላ መሳሊ መስርሕ ሓሊፈን፡ “ንሕና
ነንሓድሕድና ከም ኣሓት ብሄረ-ሰባት ተቐባቢልና፡ ደቂ ሓንቲ ሃገር ንሙዃንና ብሙሉE
ፍቓድ ነጽድቖን ነረጋግጾን ኣለና፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ መትከላትን Eላማታትን ዝተመስረተ
ስርዓት ክህልወና ከኣ፡ ናይ ሓባር ስምምE በጺሕና" Iለን ሃገራዊ ሰነደ-ኺዳን ብምEዋጅ
ኣይተበገሳን።

Eዘን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣበጋግሰAን ንመሰረታዊ ጉዳያት ብዝርI ኣብ ሓባራዊ ስምምE


ዝተመስረተ ስለ ዘይነበረ፡ ጅዮግራፊያዊ ቅቡልነተን ፡ከም ቀደሙ፡ ኣዚዩ Eባራን ስንኩፍን Iዩ
ነይሩ፣ Eቲ ዝርካቡ Eውን ብቐሊሉ ክቑጸን ክሃጉግን ዝኽEል ኰይኑ ቀጸለ፡፡

ኣብ’ዚ Eዋን’ዚ Eምበኣር፡ ንገለ ሃገራት ብዝምልከት፡ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ Eላማ ሃገራዊ ዋEላ
ንጅዮግራፊያዊ ቅቡልነት Eምነ መሰረት ምትካል Iዩ። ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ዋEላ፡ Eተን
ዝተፈላለያ ብሄረ-ሰባትን ኩለን ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖምያውን ጉጅለታትን፡ ነታ ሃገር
ከም ሓንቲ ፖለቲኮ-ጂዮግራፍያዊት ኣካል ዝቕበላ፣ ነንሓድሕደን ከኣ ከም ደቂ-ሃገር ዝፈላለጣን
ዝቀባበላን ሙዃነን የረጋግጻ፡፡

ጽንሕ Iልና ከም EንርEዮ፡ ሓደ ካብ’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ንዝተፈተነ ሃገራዊ ዋEላታት ዘጋጠሞ


ጸገማት ንሉUላውነት ዋEላ ዝርI ነይሩ። ሓደ ዋEላ ሉEላዊ Iዩ ክበሃል ከሎ ብልEሊU ኮይኑ
ዝEዝዞ ኣካል ዘይብሉ ማለት’ዩ ተባሂሉ ብሓፈሻ ኣብ ላEሊ ተመልኪቱ ነይሩ። ብጭቡጥ ግን
Eዚ Eንታይ ማለት’ዩ? Eዚ ማለት Eቲ ሃገራዊ ዋEላ ነቲ ዘሕለፎ ውሳኔታት ብሙሉE ነጻነት
ኣብ ግብሪ ከውEሎ ይኽEል ማለት’ዩ። ብኻልE ኣዛራርባ፡ Eቲ ሃገራዊ ዋEላ ንውሳኔታቱ
ብዝምልከት ናይ ፈጻሚ ኣካል ስልጣን ኣለዎ ማለት’ዩ። Eቲ ዘሎ መንግስቲ ንገዛE-ርEሱ
ብውጽIት ናይቲ ዋEላ Iዩ ዝግዛE። ብተወሳኺ፡ ሉUላውነት ክበሃል ከሎ Eቲ ኣጀንዳ ወይ
ዛEባታት Aኼባ Eንታይ ከም ዝኸውንን፡ Eቲ ኣኼባ ብኸመይ ከም ዝካየድን፡ Eቲ ሃገራዊ ዋEላ
ብሙሉE ነጻነት ይውስን ማለት’ዩ። Eቲ መንግስቲ ነቲ ውሳኔታት ክግህሶ ኣይክEልን Iዩ፡፡

Eቲ ሃገራዊ ዋEላ ነቲ ዘሕለፎ ውሳኔታት ብሙሉE ነጻነት ክትግብሮ ክኽEል ከሎ Eምበኣር፡


ነቲ Eላዊ ወይ ዝጸንሐ ርEሰ-ብሄር ወይ መራሕ መንግስቲ ብቐንዱ ስልጣን Aሕዲጉዎ Iዩ
ማለት’ዩ። በዚ ምኽንያት’ዚ Iዩ Eምበኣር Eዉት ሃገራዊ ዋEላ በርገሳዊ ወይ ከኣ ሲቪላዊ Eልዋ
መንግስቲ ተባሂሉ ዝግለጽ። Eቲ ስልጣን ዘሕድግ ዘሎ ኣካል ሲቪላዊ ህዝቢ Eምበር ወተሃደራዊ
ጉጅለ ስለ ዘይኮነ Iዩ Eቲ ለውጢ ሲቪላዊ Eልዋ ዝበሃል። (ጃክ ንዞዋንከው፡ ገጽ 45)

ኣብ መፈለምታ ተስዓታት ኣብ ዝተፈላለያ ፍራንኮፎን ሃገራት ኣፍሪቃ “ሃገራዊ-ዋEላ" ዝብል


ሽም ዝለበሰ መስርሓት ተበጊሱ ነይሩ። ኩሉ Eቲ ዝተበገሰ መስርሓት ግን በርገሳዊ Eልዋ
መንግስቲ ክሳብ ሙዃን ኣይበጽሐን።

- 15 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

4. ውጽIትን ትርጉማትን ሃገራዊ ዋEላታት ኣፍሪቃ


ኣብ ዝተፈላለያ ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረባ ሃገራት ፡ንኣብነት ኣብ በኒን፡ ቻድ፡ ካመሩን፡ ኮንጎ፡
ማሊ፡ ኒጀር፡ ቶጎ፡ ዛይር፡ ከምU’ውን ኣብ ውሑዳት ካልOት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ሃገራዊ ዋEላ
ተኻይዱ ወይ ተፈቲኑ Iዩ። ኣብ ካልOት ከኣ ፡ንኣብነት ኣብ Iትዮጵያን ኣብ ደቡብ
ኣፍሪቃን፡ ሃገራዊ ዋEላ ዝመስል፡ ብዓይነቱ ዝተፈላለየ መስርሓት ተኻይዱ Iዩ። ኣብ ገሊኤን
ፖርቱጊዝ ዝዛረባ (ሉዘፎን) ሃገራት ኣፍሪቃ Eውን ናይ ዋEላ ፈተነታት ተገይሩ ነይሩ፡፡

ውጽIት ናይ’ቲ ኩሉ ዋEላታት ፡ብዓይኒ ዓወትን ፍሽለትን ክልካE ከሎ፡ ግን ሓደ ኣይኮነን።


ካብ ሓደ ሰልፋዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ናብ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት ዘሰጋገረ ዋEላታት ኣሎ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጢ ከየፍረየ ዝተቖጽየ መስርሓት ሃገራዊ ዋEላ Eውን ኣሎ። ካብዚ ሓሊፉ፡
ንዝተወጠረ ወይ ክውለድ ንዝቐረበ ሰውራዊ ለውጢ ንምንፋስ ወይ ንምብርዓን፡ ዲክታቶራውያን
መራሕቲ ዝተጠቕሙሉ “ሃገራዊ ዋEላ" ዝተባህለ መስርሕ Eውን ኣሎ።

Eምበኣር ኣብ ኣየናይ ኩነታት ሃገራዊ ዋEላ ከም ዘፍረየ ወይ ከም ዝተዓወተ፣ ኣብ Eንታይ


ዓይነት ኩነታት ከኣ ከም ዝሃጎገ፡ ወይ’ውን ንጥቕሚ ድክታቶራት ከም ዘገልገለ ገለ ኣብነታት
ብምጥቃስ ክንርI Iና።

4. 1. በኒን፣ ኣብነት ናብ ለውጢ ዘሰጋገረ ዋEላ

Eታ በዚ Eዋን’ዚ ብመስርሕ ሃገራዊ ዋEላ ኣቢላ ለውጢ ዝተኻየደላ መጀመርያ ኣፍሪቃዊት


ሃገር በኒን Iያ። ኣብ በኒን Eንታይ ተገብረ? ወይ ከኣ ከመይ Iሉ Eቲ መስርሕ ዋEላ
ተዓወተ? Eዚ ዝስEብ ንዋEላ በኒን ዝርI ነጥብታት ኣብ ጽሑፋት ጃክ ንዘዋንከውን ፐርል
ሮቢንሰንን ዝተመርኰሰ Iዩ፡፡

በኒን ንገለ 16 ዓመታት ብናይ ማቲው ከረኩ Eንኮ-ሰልፋዊ መንግስቲ ተመሊኻ ነበረት። ኣብ
መፈጸምታ 80ታት Eታ ሃገር ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ጸገማት ወደቐት። ኣብ መወዳEትU ብወጻI
Eውን ናብቲ መንግስቲ ተጽEኖታት ተገይሩ፡ ነቲ ጸገማት ኣግደዶ። ብሓጺሩ፡ ውሽጣውን
ግዳማውን ሮቛሒታት ተደማሚሩ በቲ Eዋን’ቲ Eዉት ሃገራዊ ዋEላ ንኽሰላሰል ኣኽኣለ። Eቲ
ሮቛሒታት Eንታይ’ዩ ዝነበረ?

Eቲ ውሽጣዊ ሮቛሒታት ቁጠባዊ ውድቀትን ህዝባዊ ተቓውሞን Iዩ ተባሂሉ ብሓጺሩ ክጥቀስ


ይከኣል። Eቲ Oኮኖሚ ወደቐ፤ Eቲ መንግስቲ ገንዘብ ዝበሃል ስIኑ፡ ንብዙሕ Eዋን ደሞዝ
ክኸፍል ኣይከኣለን፤ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ን36 ኣዋርሕ ገንዘብ ዝበሃል ከይረኣዩ ብጥራዩ
ሰሪሖም። ኩሎም ሰራሕተኛታት ኣድማ ክንገብር Iና በሉ። ብደገ ከኣ ካብ ምEራባውያን
ሃገራት ይኹን ካብ ገንዘባዊ ትካላት፡ ነቲ መንግስቲ ገንዘብ ዘለቅሕ ተሳEነ። Eቲ መንግስቲ
ካብቲ ዝነበሮ ኤኮኖምያዊ ውድቀት ክወጽኣሉ ዘኽEል መንገዲ ኣይነበሮን።

ብተወሳኺ፡ ካልE ግዳማዊ ረቛሒ Eውን ነበረ። ንሱ ከኣ ተጽEኖ ወይ ምEዶ ካብቶም በቲ


ግዜ’ቲ መራሕ ፈረንሳ ዝነበሩ ፍራንስዋ ሚተራን ዝመጸ Iዩ ነይሩ። ሚተራን ኣቐድም
ኣቢሎም፡ ኣብ ኣኼባ ላ-ቦል ሃገሮም ነተን መስርሕ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ዘይተቐበላ ሃገራት
ሓገዝ ከምዘይትህብ ገሊጾም ነይሮም። ንሶም መንግስቲ ከረኩ ነቲ ኩነታት ነጻ ወይ ፍቱሕ
ክገብሮ ጠለቡ። Eዚ ማለት መንግስቲ ከረኩ መስርሕ ለውጢ ንኽኸፍት ተነጊሩዎ ማለት Iዩ።
ኣብ መወዳEትU ፕረዚደንት ከረኩ መስርሕ ለውጢ ክጅምሩ ወይ ክኸፍቱ ተሰማምU። ነዚ
ክገብሩ ከለዉ ግን በቲ ዝኽፈት መስርሕ ገይሮም ነቲ ነቕ-ነቕ ዝብል ዝነበረ ስልጣኖም
ከጣጥሑን ናይ ስልጣን መዋEሎም ከናውሑን ብዝብል ሕልና Iዩ ዝነበረ።

በዚ ሕልናን ትጽቢትን Eዚ Eምበኣር፡ ፕረዚደንት ከረኩ ንሓደ ትሑት ዝደረጅU ሚኒስተሮም


ሓይልታት ህይወት ሃገር ዝዋስUሉ ሃገራዊ ዋEላ ንኽጽውE ኣዘዝዎ። Eቲ ዋEላ ተጸውA።

- 16 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝውክሉ ገለ 500 ዝኾኑ ሰባት ኣብቲ ዋEላ ተረኽቡ። ገለ ካብኣቶም
Eዞም ዝስEቡ ነበሩ። (1) ወከልቲ መንግስቲ (2) ማሕበር ሰራሕተኛታት (3) ሰራሕተኛታት
መንግስቲ (4) ወከልቲ ተመሃሮ (5) መራሕቲ ሃይማኖት (6) ወከልቲ ሓረስቶት (7) ወከልቲ
ወተሃደራዊ ሓይልታት (8) ከምU Eውን ወከልቲ ኣብ ወጻI ዝነብሩ ደቂ በኒን። Eቲ ኣኼባ
Eምበኣር በቲ መንግስቲ ተጸዊU ዝተጀመረ Iዩ ነይሩ ማለት Iዩ። Eኳ ድኣ መንግስቲ ከረኩ
ነቲ ሃገራዊ ዋEላ ከም ሓደ ኣማኻሪ ኣካል ኮይኑ ንኸገልግል Iዩ ደልዩዎን ተጸቢይዎን ዝነበረ።
(ፐርል ሮቢነሰን፡ ገጽ 1)

ነቲ ኣኼባ ንሽሙ ጸጊEነት የብሎምን ተባሂሎም ዝተለለዩ ካህን Iዮም ከም ኣቦ መንበር


ኮይኖም ዝመርሕዎ። ብመሪሕነት ናይ’ቶም ካህን Eውን ላEለዋይ ሽማግለ ናይ’ቲ ረፑብሊክ
ዝተባህለ ኣካል ቆመ።

ኣብ መበል 7ይ መዓልቲ ናይ’ቲ ኣኼባ ሓደ ኣገዳሲ ምEባለ ተመዝገበ። Eቲ ምEባለ’ቲ ከኣ Eቲ


ሃገራዊ ዋEላ ንገዛE ርEሱ ሉUላዊ Eየ Iሉ ምEዋጁ ነበረ። በቲ ኣዋጅ’ቲ ኣቢሉ ኣምበኣር Eቲ
ዋEላ ውሳኔታቱ ንምትግባር ስልጣን ዘለዎ፡ ካብ ኩሉ ፡ማለት ካብቲ መንግስቲ Eንኮላይ፡ ነጻ
ዝኾነ ኣካል ሙዃኑ ገሊጹ በርገሳዊ Eልዋ ኣካይዱ ማለት’ዩ።

Eቲ ዘገርም ነገር ፡Eሞ ንናይ በኒን መስርሕ ለውጢ ሰላማዊ ዝገበሮ፡ መንግስቲ ከረኩ ነቲ
ዝተኣወጀ ልUላውነት ዋEላ ምቕባሉ ነይሩ። Eቲ ዋEላ ልUላውነቱ ምስ ኣወጀ Eቲ መንግስቲ
ኣይተቓወመን። ብኸምዚ Eምበኣር ገለ 500 ዝኾኑ በርገሳውያን፡ ፖለቲካ Eታ ሃገር ናበይ ገጹ
ከምዘብልን ሓድሽ ስርIታት ንኽህንድስን፡ ሓዲሽ መንግስቲ ንክቐውምን ዝገብሩ ወይ ዝውስኑ
ንሙዃን በቕU።

ፕረዚደንት ከረኩ ብወተሃደራት ገና ተፈታውነት ነይርዎም። ነዚ ተኣማሚኖም ግን


ንልUላውነት ሃገራዊ ዋEላ ኣይተቓወሙን። ገለ ካብ ተሳተፍቲ ዋEላ “ከረኩ ወተሃደራት ስለ
ዝቆጻጸሩ ልUላውነት ኣይንኣውጅ" Iሎም ነይሮም። ድሕሪ ምEዋጅ ልUላውነት Eውን Eቲ
ኩነታት የተሓሳስቦም ነይሩ Iዩ። ከምቲ ዝተፈርሖ ግን ካብ መንግስቲ ወይ ካብ ወተሃደራት
ተቓውሞ ኣይመጸን። ስለዚ መስርሕ ዲሞክሲያዊ ለውጢ Eድል ተዋሂብዎ ማለት Iዩ።

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት Eምበኣር Eቲ ሃገራዊ ዋEላ ወሳኒ ዝኾነ ስጉምትታት ወሰደ። (1)
ነቲ ክሳብ ሽU ግዜ ዝነበረ ሕገ-መንግስቲ ኣወንዘፎ፣ ማለት ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓል ኣገዶ፡፡
(2) ነቲ ዝነበረ ሃገራዊ ባይቶ ኣፍረሶ። (3) ንሕብረ-ሰልፋዊ ምርጫ ንድፊ ሓንጸጸ። (4) ግዝያዊ
ወይ መሰጋገሪ መራሕ መንግስቲ መረጸ። (5) ፕረዚደንት ከረኩ ፡ሽሕኳ ሓይሎም ኣመና
Eንተጎደለ፡ ንሽሙ ኣብቲ ናይ ርEሰ-ብሄር ቦትOም ንኽጸንሑ ወሰነ።

ኣብዚ Eምበኣር ክልለ ዘለዎ ሓደ ነጥቢ ኣሎ። ብወገን ከረኩ ጥራይ ኣይኮነን ንልUላውነት ዋEላ
ብዘይምቅዋም ሕድገት ዝተገብረ። ብወገን Eቲ ዋEላ Eውን ሕድገት ተገይሩ Iዩ። Eቲ ዋEላ
ንከረኩ ብቕጽበት ካብቲ ስልጣኖም ብEሊ ከውርዶም ይኽEል ነይሩ Iዩ። ኣይገበሮን ግን።
ከረኩ Eቲ ዝነበሮም ሓይሊ ኣጥፊOም ክንሶም፡ ኣብቲ ናይ ርEሰ-ብሄርን መራሕ መንግስትን
ቦትOም ፡ስማዊ ጥራይ Eውን Eንተኾነ፡ ንኽጸንሑ ተፈቒዱሎም Iዩ። Eቲ ሕድገት Eዚ ጥራይ
ኣይነበረን፡፡ ከረኩ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ስልጣኖም ዓመታት ምናልባት ገይሮሞ ብዝነበሩ ገበናት
ንኽይክሰሱ Eውን ምሕረት ተገብረሎም።

ከምዚ Iሉ Eምበኣር ኣብ ምርጫ ተኣትወ። ከረኩ Eውን ንርEሰ-ብሄርነት ፡ማለት


ንፕረዚደንትነት፡ ተወዳደሩ። ተሳEሩ ግን። Eቲ ሰግሎ ዝተባህለ፡ መሰጋገሪ መራሕ መንግስቲ
ዝነበረ፡ ኣብ ምርጫ ተዓዊቱ ርEሰ-ብሄር ኮነ። ስርዓት በኒን ሕብረ-ሰልፋዊ ዲሞክራሲ ንሙዃን
ናብ ናይ መሰጋገሪ መድረኽ ኣተወ። ድሕሪ ገለ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝተገብረ
ፕረዚደንታዊ መረጻ ከረኩ ተወዳዲሮም ተዓወቱ Eሞ Eንደገና ፕረዚደንት ኮኑ፡፡

- 17 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

4. 2. ኣብ መስርሕ ዝቶቖጽየ ሃገራዊ ዋEላታት

ኣቐዲሙ ከም ዝተኣመተ ኣብ መብዛሕትAን Eተን “ዋEላ" ተባሂሉ ዝተገልጸ መደብ


ዝተጀመረለን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካብ ሓደ-ሰልፋዊ ምልኪ ናብ ሕብረ-ሰልፋዊ ዲሞክራሲ ናይ
ምስግጋር ኣሳልጦ ኣይተረኽበን። ናይቲ ዋEላ መስርሕ በቶም ምልካውያን መራሕቲ ወይ
ተጨውዩ ወይ ተቖጽዩ ወይ ከኣ ብገለ ኣገባብ ከም ዝሃጉግ ተገይሩ Iዩ። ጋቦን፣ ኣይቮሪኮስት፣
ኒጀር፣ ዛይር፣ ቶጎ ኣብነታት ናይተን መስርሕ ዋEላ መሳሊ ተጀሚሩ ዝሃጐጐለን ሃገራት Iየን።

ንሙዃኑ’ኳ ኣብ ገሊU ሃገራትስ ናይ ዋEላ ፈተነ ጥራይ’ዩ ዝተገብረ Iዩ ክበሃል ዝከኣል።


ካብU ተረፈ፡ Eቲ መስርሕ ዳርጋ ብግስ ከየለ Iዮም Eቶም ድክታቶራውያን መራሕቲ ካብ
ቁጽጽሮም ንኸይወጽE መታን ቀልጢፎም ስጉምትታት ዝወሰዱ። ንኣብነት፣-

1. ኣብ ገሊኤን ሃገራት Eቲ ተቓዋሚ ሓይልታት ከይተዳለወ Eንከሎ Eቶም መራሕቲ “ሃገራዊ-


ዋEላ" ጸውU። ንጥቕሞም ከም ዝውEል ገይሮም ከኣ ኣካየዱዎ። ኣብ ጋቦን ንኣብነት
ፕረዚደንት Uመር ባንጎ ነዚ ሜላ’ዚ ተጠቕመ።

2. ኣብ ገሊኤን ሃገራት ከኣ “ለውጢ ገይርና Iና Eሞ፡ ዋEላ ኣየድልን Iዩ” ተባህለ። ንኣብነት
ኣብ ቡርኪና-ፋሶ መንግስቲ ካምፖOረ ገለ ጽገናታት ገበረ Eሞ “ሕጂ Eቲ ዘድሊ ምምሕያሻት
ተገይሩ Iዩ፡ ስለዚ ሃገራዊ ዋEላ ኣየድልን Iዩ" Iሉ መስርሕ ዋEላ ዝበሃል ከምዘይጅመር
ገበረ።

3. ኣብ ገሊኤን ሃገራት ከኣ ነቲ ናይ “ዋEላ" ቆጸራ ደጋጊሞም ብምትሕልላፍን ምድንጓይን ነቲ


ተቓዋሚ ኣካላት ሕልንU ብምድኻም፡ ሓቀኛ መስርሕ ዋEላ ከምዘይካየድ ተገብረ። ንኣብነት
ኣብ’ቲ ዛየር ዝበሃል ዝነበረ፡ ናይ ሎሚ ዲሞክራሲያዊት ረፑብሊክ ኮንጎ፡ ንነዊሕ ዝገዝA
ዲክታቶር ሞቡቱ ሰሰ ሴኮ ነዚ ሜላ’ዚ ተጠቕመ። ሞቡቱ ዝተፈላለየ ዘይውዳE ምኽኒታት
EናኣምጸA ንመዓልቲ ዋEላ ብምምሕልላፍ፡ ንጉጅለታት ተቓውሞ ላሕ ኣበሎም፣ ከምዚ
ብምግባር ነቲ ዋEላ ኣህጎጎ። ነዚ ሜላ’ዚ ተጠቒሙ ብሃገራዊ ዋEላ ኣቢሉ ምስግጋር ናብ
ዲሞክራሲ ከም ዘይሰልጥ ገይሩ፡ ክሳብ ብሓይሊ ተደፊU ዝወጽE ኣብ ስልጣን ጸንሐ።

4. ኣብ ገሊU ከኣ ዝተፈላለየ ጥበባት ተጠቒሞም ፡ንኣብነት ናይ ኣገባብ ሕቶ Eናልዓሉ፡


ንመስርሕ ሃገራዊ ዋEላ ኣበርዓንዎ። ነዚ ክገብሩ ከለዉ ግን፡ በቲ ዝቆጻጸርዎ ዝነበሩ ወተሃደራዊ
ሓይሊ ገይሮም ህዝቢ Eናፈራርሑ፣ ብናይ ወጻI ሓገዝ’ውን Eናተገልገሉ፣ ንሕጽረታትን
ጌጋታትን ተቓወምቶም ከኣ Eናመዝመዙ Iዩ ዝነበረ፡፡ ናይዚ ሜላ’ዚ ቀንዲ ኣብነት ዝኾነ
ኣገባብ ዝተጠቕመ፡ Eቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ ብድንገት ዝዓረፈ፡ ነታ ቶጎ ትበሃል
ሃገር ንዳርጋ 40 ዓመት ዝገዝA ዲክታቶር Iያደማ Iዩ። መስርሕ ቶጎ ከም ቀንዲ ኣብነት
ናይ’ቲ ኣሳልጦ ዘይተረኽቦ፡ ወይ ዝሃጎገ ሃገራዊ ዋEላ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል Iዩ፡፡ Eዚ
መስርሕ’ዚ ከመይ ከም ዝነበረ ብሐጺሩ ምግላጽ ኣድላዪ Iዩ። Eዚ ዝስEብ ንመስርሕ ዋEላ
ቶጎን ኣቆጻጽያUን ዝርI ነጥብታት ኣብ ጽሑፍ ሀልብሮን ዝተመርኰሰ Iዩ፡፡

4. 3. ጉዳይ ሃገራዊ ዋEላ ቶጎ

ምስ ጉዳይ ቶጎ ብዝተሓሓዘ ሓደ ክዝከር ዘለዎ ነጥቢ ኣሎ። ኣብቲ ናይ ሕዳር 1981 ኣኼባ
ፍራንክፎን፡ መራሕ ፈረንሳ ዝነበሩ ፍራንስዋ ሚተራን፡ ንዝምድና ዲሞክራስያዊ ለውጥን
ፖሊሲ ወጻI ሓገዝን ብዝርI ካብታ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ላቦል ኣስሚOምዋ ዝነበሩ
ዝተፈልየት መርገጽ ኣተንብሁ። Eታ ሓዳስ መርገጾም ፈረንሳ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገራት
ኣፍሪቃ Iዳ ኣይተEትውን Iያ፣ ነፍስ-ወከፍ ሃገር ናታ ናይ ጽገናን ፖለቲካዊ ለውጥን መንገዲ
ወይ ኣገባብ ወይ ፍጥነት ከተለሊ ኣለዋ ትብል ነበረት።

- 18 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

Eዛ ሓዳስ መርገጽ Eውን ንዲክታቶራት ነቲ ብሃገራዊ ዋEላ ኣቢልካ ለውጢ ንምርግጋጽ ዝግበር
ዝነበረ ጻEሪ ክተናኾልዎን ከዳኽምዎን ኣተባብዓቶም። ሓደ ካብቶም በዛ ሓዳስ መርገጽ
ዝተባብU ፡ምትብባE ዘድልዮ Eንተደኣ ነይሩ ኮይኑ፡ ዲክታቶር ቶጎ ናሲንግበ Aያደማ ነበረ።

ኣብ ቶጎ Eቲ ንሃገራዊ ዋEላ ዝርI ጻEርታት ብ1990 Iዩ ተጀሚሩ። ተቓወምቲ ጠለባት ምስ


ኣብዝሑ፡ ኣያደማ ብመሰረቱ ንዋEላ ከም ዝሰማማE ገለጸ። መንግስትን ተቓወምትን ሓደ ከም
ናይ በኒን ዝኣመሰለ ሃገራዊ ዋEላ ንኽግበር ስምምE ፈረሙ። ንስነ-ስርዓቱ Eውንስ ብሓደ ካህን
ዝምራሕ ላEለዋይ ሽማግለ ናይቲ ረፑብሊክ ዝተባህለ ኣካል ቆይሙ ነይሩ።

መስርሕ ሃገራዊ ዋEላ ተጀመረ። መንግስቲ ዲክታቶር ኣያደማ Eውን ኣብU ተወኪሉ ይሳተፍ
ነይሩ Iዩ። ኣብቲ ዋEላ ንናይቲ ሃገር ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ባህላውን ጉዳያት
ዝርI ክትE ክካየድ፣ ኣብ መወዳEታU ከኣ ሓደ ሓፈሻዊ መግለጺ ክወሃብ፣ ሓደ ናይ መሰጋገሪ
መድረኽ ክውሰን፣ ኣብቲ መድረኽቲ ንሓጋጊ ባይቶ ንዝመርሕ መንግስትን፡ ንናይ ምርጫ
Eዋንን ሰሌዳን ግዜን ብዝርI ውሳኔ ክብጻሕ ዝብል ስምምE ተገይሩ። ብተወሳኺ ከኣ Eቲ
ስምምE ዲክታቶር ኤያደማ ንቐጻልነት ናይታ ሃገር ከም ጥጥሕቲ ኣካል ውሕስነት ይኸውን
ዝብል ወሳኒ ፡ማለት ከቢድ ዝሳEቤናቱ፡ ነጥቢ ነይሩዎ። Eዚ ኩሉ ክግበር ከሎ ግን Eርቂ
ኣይተኻየደን ዝነበረ። ጉድለት Eርቂ ሓደ ካብ’ቲ መስርሕ ቶጎ ካብ ናይ በኒን ዝፍለየሉ መንገዲ
ነበረ።

Eቲ ሃገራዊ ዋEላ ከይዱ-ኸይዱ ሉUላውነት ኣወጀ። Eዚ ኣዋጅ’ዚ ምስ ተገልጸ ወከልቲ ናይ’ቲ


መንግስቲ ዝኾኑ ተሳተፍቲ ነቲ ዋEላ ገዲፎሞ ኸዱ።

ፕረዚደንት ኣያደማ ዋEላ ብመትከል Eቕበሎ’የ Iሉ Eኳ Eንተነበረ፡ ስልጣን ንኽገድፍ ኣብ


ሓሳቡ Eውን ኣይነበረን። ናይ ኣገባብ ሕቶታት ብዝብል ምስምስ ተቓውሞታትን Eንቅፋታትን
Eናልዓለ፡ ነቲ ጉባኤ ብዘይንሕስያ ሓናኾሎ። ንጉባኤ ኣበርIኑ ኣብ ስልጣን ቀጸለ።

ንኤያደማ ለውጢ ንኽEንቅፍን ስልጣን ብቐጻልነት ንምሓዝን ዘኽኣሎ ረቛሒታት ብዙሕ ነይሩ።
ካብኣተን Eተን ኣዚየን ኣገድስቲ ዝኾና ግን Eዘን ዝስEባ Iየን፣-

ሀ) ኤያደማ ሓደ ዛጊት ቆይሙ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ውድብ ነይርዎ። ህላዌ ናይዚ ውድብ’ዚ
ብፕሮፓጋንዳን ብገንዘብን፡ ኮታስ ብኹሉ ሸነኻት፡ ሓጊዙዎ’ዩ። Eቶም ተቓወምቲ ከም’ዚ
ዝዓይነቱ ውድብ ኣይነበሮምን።

ለ) ኤያደማ ኣብ ልEሊ ሰራዊት ናይቲ ሃገር ምሉE ምቁጽጻር ነበሮ። ወተሃደራዊ ሓይሊ
ብምሉU ኣብ ጎድኑ ስለ ዝነበረ ድማ ንሱ ዘይደለዮን ዘይተሰማማዓሉን ለውጢ ወይ ጽገና
ክግበር ዘይከኣል ኮነ። ብኻልE ኣዘራርባ፡ Eቶም ተቓወምቲ ንውሳኔታቶም ከተግብሩ ዘኽEሎም
ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣይነበሮምን።

ሐ) ሓደ ካብ’ቲ ንኤያደማ ኣዝዩ ዝሓገዞ ሮቛሒታት ድኽመታት ወይ ሕጽረታት ናይ ተቓዋሚ


ኣካላት ነበረ። Eቶም ተቓወምቲ ክብድ ዝበለ ሚዛን ዘለዎ ሕጽረታትን ድኽመታትን
ነይርዎም። ገለ ካብቲ ሕጽረታቶም Eዚ ዝስEብ ነበረ፣-

1. Eላማ ናይቶም ጽገና ዘይኮነስ ለውጢ ዝደልዩ ዝነበሩ ተቓወምቲ፡ ንኤያደማ ኣልጊስካ ነታ
ቦትU ምሓዝ Iያ ነይራ። ብዘይካ Eዛ ጸባብ ዝኾነት Eላማ፡ ካልE ሃብታምን መሰረታውን
ዝኾነ ራEይ ወይ ሰፊሕ ሃገራውን ህዝባውን ባህጊ ኣይነበሮምን።

2. Eቶም ተቓወምቲ ዱልዱልን ስሙርን ውድብ ኣይነበሮምን። ብተወሳኺ ኣንጻር ሕድሕዶም


ይወዳደሩ ነይሮም።

3. ብወገን Eቶም ተቓወምቲ ናይ ፖለቲካ ተሞክሮ ሕጽረት ነይሩ። ካብዚ ብዝተላEለ፡ ሜላዊ
ጌጋታት ምግባሮም ዘይተርፍ Iዩ ዝነበረ፡፡ ጌይሮም ከኣ፡፡

- 19 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ድክታቶር ኤያደማ ንድኽመታትን ጸገማትን ተቓወምቲ ኣጸቢቑ ይፈልጦ ነይሩ። ሕርሕራይ


ገይሩ ከኣ ተጠቒሙሉ ወይ መዝሚዝዎ Iዩ። ንኣብነት ነቶም ተቓወምቲ ሕራይ ሃገራዊ ዋEላ
ይገበር ክብሎም ከሎ፡ ውሽጣዊ ፍልልያት ከም ዝነበሮም Eሞ ከስልጡ ከም ዘይክEሉ ስለ
ዝፈለጠ Iዩ ነይሩ። ብተወሳኺ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ Iዱ ስለ ዝነበረ፡ ሃገራዊ ዋEላ Iሎም
ተቓወምቲ ውሳኔታት Eንተ ኣሕለፉ Eውን ኣብ ዝበጽሕዎ ከምዘይነበሮም ኤያደማ ይፈልጥ
ነይሩ። ብርግጽ Eውን Eቲ ሃገራዊ ዋEላ ተጀሚሩ ገለ ገሊOም ኤያደማን ተሓባበርቱን ይቀጽU
ክብሉ ከለዉ፣ Eቶም ወተሃደራት ናይታ ሃገር Eናኣንጸላለዉ ነቲ ኣኼባ የፈራርህዎ ነበሩ። ገለ
ካብቶም ተቓወምቲ ግን ንሓደጋ ተሳጢሖም ከም ዝነበሩ በድማEነት ኣይተረደOምን ዝነበረ።

Eቲ ጉድለት Eርቂ ፡ማለት Eርቂ ዘይምፍጻሙ፡ ከቢድ ሳEቤን ነይርዎ። ንኣብነት Eቲ ሃገራዊ
ዋEላ ዘድሊ መንጸፋትን መሐለውታን ከይገበረ ሉUላውነት ኣወጀ። Eዚ ጥራይ ከይኣኽሎ ነቶም
ኣብ ዝሓለፈ Eዋናት ገበን ዝፈጸሙ ኩሎም ክንቀጽOም Iና በለ። Eዚ ምስ ኮነ ኤያደማ ነቲ
ሉUላውነት ዝበሃል ዘይቅበሎ ሙዃኑ ገለጸ። ነቲ ውሳኔታት ከኣ ተቓወሞ።

ኣብ መወዳEትU Eምበኣር ሽሕ’ኳ ኤያደማ ምስ’ቲ ተመሪጹ ዝነበረ መሰጋገሪ መራሕ


መንግስትን ምስ’ቲ ላEለዋይ ባይቶን ተራኺቡ Eንተ ተመያየጠ፡ Eቲ ዋEላ ወተሃደራዊ ዓቕሚ
ወይ ደገፍ ስለ ዘይነበሮ፡ Eቲ ናብ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ናይ ምስግጋር መደብ ተዓናቒፉ
ወደቐ። Eቶም ብዘይረብሕ ምኽንያት ዝቋየቑ ዝነበሩ ተቓወምቲ ቶጎ ከኣ ኣብ መወዳEትUስ
ናብ ስደት ኣምርሑ። ኤያደማ ክሳብ Eለተ ሞቱ ኣብ ስልጣን ቀጸለ።

ንኹነታት ተቓወምቲ ደንበ ኤርትራውያን በዚ ሎሚ ኣብ ግምት ብምEታው ሕጽረታት


ተቓወምቲ ቶጎ Eንታይ Eንታይ ከም ዝነበረ ብዝርዝር ምርኣይ ኣድላዪ Iዩ።

4. 4. ጌጋታትን ጉድለታትን ተቓወምቲ ሓይልታት ቶጎ

ገለ ተዓዘብቲ Eቶም ተቓወምቲ ዓበይቲ ጌጋታት ከምዝፈጸሙ ይገልጹ። ሀይልብሮን ዝተባህለ


ምሁር ካብ ዝጠቕሶም ጌጋታት ገለ Eዞም ዝስEቡ Eዮም። (ሀይልብሮን፡ ገጻት 236-7)

1. Eቶም ቀንዲ ደለይቲ ለውጢ ቅድሚ Eቲ ዋEላ ምርድዳE ኣይገበሩን ነይሮም። ብዛEባ
Eቲ ካብ'ቲ ዋEላ ዝድለ ዝነበረ ውጽIት ናይ ሓባር ስምምE ወይ ናይ ሓባር ትጽቢት
ኣይነበሮምን።

2. ኣብ ሞንጎ Eቶም ዝተፈላለዩ ለውጢ ዝደልዩ ገጅለታት ምትሕብባር ኣይነበረን። ነፍሲ


ወከፍ መራሒ ናይተን ዝተፈላለያ ጉጅለታት ንገዛE ርEሱ መራሕ Eቲ ሃገር ክኸውን
ጥራሕ'ዩ ዝደሊ ዝነበረ።

3. Eቶም ተቓወምቲ ናይ Eላማ ፍልልያት ነይርዎም። ገሊOም ነቲ መንግስቲ ንኽጽግንዎ


፡ ማለት ለውጥታት ንኸገብሩሉ፡ Eዩ ነይሩ EላማOም፣ ገሊOም ከኣ ንዲክታተር Eያደማ
ኣልጊሶም ቦታ ክሕዙ ጥራይ Eዮም ዝትምነዩ ዝነበሩ። Eዚ ንኣሰራረሓ ዘጸግም ዓቢ
ፍልልይ Eዩ ነይሩ።

4. Eቶም ንEያደማ ነልግሶ ዝብሉ ዝነበሩ ተቓወምቲ፡ ንEያደማ ምልጋስ ዝብል መደብ
ወይ ሓሳብ ንኻልOት ኣብ ከባቢU ዝነበሩ ወይ ምስU ብዝኾነ ትርጉም ኣጥቢቖም
ዝተዛመዱ Eውን ከምዝትንክፍ ብዝግባE ኣየስተውዓሉን ዝነበሩ። ካብቶም ዓበይቲ ሰብ-
ጽሩራን ተራ ወታሃደራትን ብዙሓት ንEያደማ ምEዙዛት ከምዝነበሩ Eሞ ብምልጋሱ
ከምዝትንከፉን Eቶም ተቓወምቲ ዝኣክል ተረድO ኣይነበሮምን።

5. ገለ ካብቶም ተቓወምቲ ምሒር ሕሉፋት ነይሮም። ኩነታት ናይ'ቲ ሕ-ሰብን ሚዛን


ሓይልታት ናይ ተዋሳEትን ኣብ ግምት ዘየEተወ፡ ተመሊሱ ክሃሲ ዝኽEል ርEይቶታት
ነይሩዎም። ከምዚOም ዝኣመሰሉ ተቓወምቲ፡ Eያደማን ተሓባበርቱን ብወንጀል ክኽሰሱ
ኣለዎም ዝብል ቆስቋሲ ጠለባት የስምU ነይሮም። ከምዚ ዝበለ መፈራርሒ ዘረባታት
Eናተዳህየ Eዩ Eቲ "ሃገራዊ ዋEላ ሉዓላዊ Eዩ፣ Eቲ ናይ 1980 ሕገ-መንግስቲ ከኣ

- 20 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ተንጠልጢሉ Eዩ" ዝብል ኣዋጅ ዝተፈነወ። Eዚ ምስ ኮነ፡ Eያደማ ይኹን ካልOት፡ Eቲ


ሃገራዊ ዋEላ በቶም ኣብ ልEሌና ናይ መቕጻEቲ ስጉምቲ ክወስዱ ዝደልዩ ሕሉፋት
ተዓብሊሉ Eዩ Iሎም ደምደሙ። ብድሕሪ'ዚ Eዩ Eቶም ነቲ መንግስቲ ወኪሎም ኣብ
ዋEላ ዝሳተፉ ዝነበሩ ተጋባEቲ፡ Eቲ ናይ ልUላውነት ኣዋጅ ዘይቅቡል ሙዃኑ ዝገለጹ፤
Eያደማ Eውን ንዝኾነ ውሳኔ ናይ’ቲ ዋEላ ክነጽጎን፡ ንሓይሉን ቁጽጽሩን ከኣ ብምቕጻል
ክዓትሮን ሙዃኑ ብቕሉE ዝፈከረ።

6. ምናልባት ካብ ዋሕዲ ብስለትን ተሞክሮን ክኸውን ብዝኽEል፡ Eቶም ተቓወምቲ ናይ'ቲ


ገሊU ፍጻሜታቶም ዝተጋነነን ግጉይን ሚዛን ነይርዎም። ንኣብነት ናይ'ቲ ዋEላ
ልUላውነት ምስ ኣወጁ ከምዚ ነቲ መንግስቲ ብግብሪ ዝገልበጥዎ ኮይኑ ተሰሚIዎም።
ካብ ናይ ክውንነት ዓለም ሪሒቖም ነይሮም፣ Eዚ ኸኣ ናብ ዝሃስዮም ኣካይዳ
የEትዩዎም።

7. ካብ ናይ ክውንነት ዓለም ብምርሓቖም ንኩነታትን ትሕዝቶን Eያደማ ኣትሒቶም


ገመትዎ። ዳርጋ ዘሕመቕዎ Eሞ ገለ ክገብር ዘይክEል መሲሉ ተሰሚIዎም ነይሩ።
ኣብ መወዳEትU ግን Eቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ብርግጽ ኣብ Iድ Eያደማ ከምዝነበረን፡
ከቢድ ሳEቤናት ከኣ ከምዝነበሮን ብመሪር መልክE ተጋህደሎም።

ንቶጎ ብዝርI Eምበኣር፡ Eቲ ሃገራዊ ዋEላ ዝሃጐጐሉ ምኽንያታት ብዙሕ Eኳ Eንተኾነ፡ Eተን
ቀንዲ Eዘን ዝስEባ ክልተ Eየን። ዛጊት ጠቒስናየን Eኳ Eንተኾንና፡ ኣጸቢቕና Eንተስመርናለን
ሕማቕ ኣይኮነን።

1. ተሳትፎ ዲክታተር Eያደማ፤ Eያደማ ብወከልቱ ኣቢሉ ተሳታፊ ብሙዃኑ፡ ንመደብን


ኣገባብን ጉEዞን ዋEላ Eናጸለወ፡ Eቲ መስርሕ ከይዱ-ኸይዱ ንUU ካብ ስልጣን
ንኸየውርዶ ክከላኸል ክIሉ።

2. Eያደማ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምሓዙ፤ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር Eያደማ


ኮይኑ ምቕጻሉ ነቲ ዋEላ ኣዝዩ ጐድO። በትረ-መንግስት ፡ማለት ወተሃደራት፣ ፖሊስ፣
ቤት ማEሰርቲ፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ Eያደማ ስለዝነበረ፡ Eቲ ዋEላ ዝኾነ ውሳኔ Eንተሕለፈ
ኣብ ግብሪ ክትርጐመሉ ዝኽEል መንገዲ ኣይነበሮን። Eያደማ ነዚ ሓይል'ዚ ሒዙ ኣብ
መወዳEታUስ ነቲ ዋEላን ተሳተፍቱን ከፈራርሖምን ከልምሾምን ክIሉ Eዩ።

ኣብ ቶጎ Eቲ መስርሕ ሃገራዊ ዋEላ ብቐንዱ ተቖጽዩ Iዩ፤ Eንተኾነ ግን ዋላ ሓንቲ ፍረ


ኣይነበሮን ማለት ኣይኮነን። ነይርዎ Eዩ። ንኣብነት Eቲ ኣብ'ቲ ዋEላ ዝተመርጸ ቀዳማይ
ሚኒስተር ኣብ ስልጣኑ ቀጸለ፤ (ኣብ ትሕቲ Eያደማ ዀይኑ’ዩ ግን)። ከምU Eውን ብዙሓት
ካብቶም ኣባላት ባይቶ፡ ኣባላት ናይ'ቲ ተቓዋሚ ኣካላት ነበሩ። ስለ'ዚ Eያደማ ምስ ገለ
ተቓወምቱ ንምስራሕ ቁሩብስ ተገዲዱ Eዩ።

- 21 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

5. ግንዛቤ ወይ ተረድO
ካብ'ዚ ኣብ ላEሊ ዝተገልጸ ንኣፍሪቃዊ ተሞክሮታት ዝምልከት ነጥብታት ክጽሞቕ ዝከኣል
ትምህርቲ መሊU ኣሎ። ንዓና ዘገድሳና ቀንዲ ኸኣ Eዘን ዝስEባ፡ ኣብ ጽሑፍ ሉንድነ ሳንቲሶን
ዝተመርኰሳ፡ ሓፈሻዊ ነጥብታት Eየን።

ሃገራዊ ዋEላ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ኣይኮነን ክሳላሰል ዝኽEል፣ Eንታይ ደኣ፡ መሰረታዊ ወይ
ቅድመ ተደላዪ ሮቛሒታት ክማላE ከሎ ጥራይ Iዩ፡፡ Eተን ቀንዲ ክልተ ሮቛሒታት ከኣ፡
ከምቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ፡ ምድኻም Eቲ ዲክታቶሪያዊ ስርዓትን ምትሕብባር ሓይልታት
ወጻI ምስ ደለይቲ ለውጥን Eየን።

1. ቅድመ ኩነት ኣብ ውሽጢ ሃገር ንዝካየድ ዋEላ ። ንኸምዚ ዓይነት ዋEላ፡ ኣብ ውሽጢ Eቲ
ሃገር ሓደ ቅድዊ ወይ ሓጋዚ ዝኾነ ፖለቲካዊ ሃዋህው የድሊ። Eዚ ዘድልየሉ ምኽንያት ከኣ፡
ብመሰረቱ Eቲ ዘሎ ዝተፈላለየ ሓይልታት ህይወት ሃገር ድምጹ ከስምEን ንመርገጻቱ
ክቃለሰሉን ዘኽEል ኩነታት ክህልዎ ስለዘለዎ Eዩ። ብጭቡጥ ኣዘራርባ፡ Eዚ ማለት ህላዌ
ዝተፋላለያ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብሕጊ ፍቑድ ክኸውን ኣለዎ ማለት'ዩ። ህላዌAን ጥራይ ግን
Eኹል ኣይኮነን። Eንታይ ደኣ፡ ናይ ምEካብን ሓሳብካ ናይ ምግላጽን መሰላት Eውን ክፍለጥን
ክኽበርን ኣለዎ። ብተወሳኺ ጋዜጣታትን ካልOት ማEከናት ዜናን ብዘይተጽEኖ ክንቀሳቐሳን
ክሕብራን፡ ርEይቶታተን ክህባን፡ ናይ ካልOት ኣረኣEያታት Eውን ተቐቢለን ክዝርግሓን፡
ምኽኣል ኣለወን።

2. ተሳተፍቲ። ሃገራዊ ዋEላ ንኹሉ Eቲ ሓይልታት ህይወት ሃገር ዘሓወሰ ክኸውን ኣለዎ። ናይ
ብሓቂ ኣሳታፊ (ዘይኣግላሊ) ክኸውን ኣለዎ። ብጭቡጥ ኣዘራርባ፡ Eቶም ሓይልታት ህይወት፡
ማለት Eቶም ተሳተፍቲ፡ ኣየኖት ከምዝኾኑ፡ ከምቲ ደጋጊምና ዝበልናዮ፡ ካብ ኩነታት ናብ
ኩነታት ዝፈላለለ Eኳ Eንተኾነ፣ መብዛሕትU Eዋን ዝጥቀሱ Eዞም ዝስEቡ ጉጅለታት Eዮም።

- ወከልቲ Eቶም ቀንዲ ፖለቲካዊን፡ ማሕበራውን፡ ሞያውን ሃይማኖታውን ጉጅለታት።

- ምሁራን ኣካላት፣ መራሕቲ ዞባዊ ምምሕዳራት፣ ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ


መሰላት፣ ውድበታት ደቂንስትዮ፣ ማሕበራት ሰራሕተኛታት፣ ወጻEተኛ ለገስቲ ኣካላት፣
ከምUውን ዓለምለኻውያን ተዓዛቦ። (ኣብ ከም ናይ ኤርትራ ዝኣመሰለ ኩነታት ከኣ ጐረባብቲ
ሃገራት)።

3. ተሳትፎ መንግስቲ፡፡ ነዚ ሕቶ'ዚ ብዝርI ኣገዳሲ ትምህርቲ ንቐስም። Eቲ ዲክታተርያዊ


መንግስቲ ወይ መራሒ፡ መስርሕ ለውጢ ከይዓንቀጸ ወይ ከይዓንቀፈ፡ ኣብ ዋEላ ክሳተፍ
ዝኽEል ኣብ ውሱን ኩነታት ጥራይ Eዩ። Eቲ መንግስቲ ኣዝዩ ዝተዳኸመን፡ ህዝባዊ ደገፍ
ይኹን ቆላሕታ ዘይብሉን፡ ንልUላውነት መስርሕ ዋEላ ከኣ ብግብሪ ዝተቐበለን ክኸውን ኣለዎ።
ኣብ ውሽጢ Eቲ ሃገር፡ ህያውነትን ተግባራውነትን ዲሞክራስያዊ መሰላት ዝመለለዪU ቅድዊ
ፖለቲካዊ ሃዋህው ክህልው ኣለዎ፡፡ ብደገ ኸኣ ካልOት መንግስታት ይኹና ኣህጉራዊ
ስርIታትን ማEከናትን ደገፍ ዝነፈገO ክኸውን ኣለዎ። ብኻልE ኣዘራርባ፡ Eቲ መንግስቲ
ተጽEኖ ክገብር ዘይኽEል፣ ስEረቱ ወይ ዘይተዳልይነቱ ዝተቐበለ Eንተደኣ ኰይኑ፣ ወይ ከኣ
ብዘይ ተጽEኖ፡ ብዘይ ዓመጽ መጒተ ከEግብ፡ ተወዳዲረ ክስEር EኽEል'የ Iሉ ዝተኣማመን፡
ንውጽIት ዋEላ ኣሜን Iሉ ዝቕበል Eንተዀይኑ ኣብ ዋEላ ክውከል ይኽEል ይኸውን።

4. ብቕዓት ሓይልታት ተቓውሞ፡፡ ምስ ተሳትፎ መንግስቲ ብቐረባ ዝተታሓሓዘ ንተቓዋሚ


ኣካላት ዝርI ነጥቢ ኣሎ። Eቲ ተቓዋሚ ኣካላት ፡ወይ Eቶም መራሕቱ፡ Eኹል ብስለትን
ሜላዊ ኣኻEሎን ዝውንኑ፡ ንኹነታት ብብቕዓት ተረዲOም ጥንቃቐ ከዘውትሩ ዝኽEሉ፡
ነንሓድሕዶም ከኣ ዝረዳድUን ዝደጋገፉን ክኾኑ ኣለዎም፡፡ ብሓቂ ናይ ሓባር ፡ማለት
ዘዛምዶም፡ ሃገራዊ ፖለቲካዊ Eላማ ሃሊዩ፡ Eቲ ዲክታተር ፈላሊዩ ከባEሶምን ከዳኽሞምን
ዘይክEል ክኾኑ ኣለዎም።

- 22 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

5. ልUላውነት ዋEላ፡፡ ሃገራዊ ዋEላ ልUላዊ ክኸውን ኣለዎ። ዋEላ ኣብ ውሽጢ ሃገር Eንተድኣ
ኰይኑ ዝካየድ፡ Eቲ ሉUላውነት ኩነታት ኣለሊኻ፡ ኣብ'ቲ ተግባራዊ ክኾነሉ ዝኽEል ጊዜ
ክEወጅ ኣለዎ። Eዚ፡ ቅድሚ ሉUላውነት ምEዋጅካ፡ Eቲ ኣዋጅ በቲ ዲክታተርያዊ መራሒ
ተቓውሞ ኣጋጢምዎ ንኸይፈሽል መታን፡ ህላዌ ናይ Eቲ ዘድሊ ኩነት ክተረጋግጽ ይግባE
ማለት Eዩ።

6. ወደብቲ ወይ ኣዳለውቲ። Eቲ መስርሕ ሃገራዊ ዋEላ Eውት መታን ክኸውን፡ Eቲ ዘዳልዎ


ኣካል ካብ ተጽEኖ Eቲ ህሉው ድክታቶሪያዊ መንግስቲ ነጻ ሙዃን ኣለዎ። Eዚ ግን Eቲ
መንግስቲ ፡ንሉዓላውነት ዋEላ ተቐቢሉ Eንተኾይኑ፡ ብውሱን መጠን ክውከለሉ ዝኽEል ኩነታት
ብፍጹም የለን ማለት ኣይኮነን፡፡ ዝኾነ ኾይኑ፡ ኣብ'ቲ ኣዳላዊ ኣካል Eቶም ወሳኒ ግደ
ዝህልዎም Eቶም ወከልቲ ሓይልታት ተቓውሞ Eዮም፤ ብኻልኣይ ደረጃ ኸኣ ወከልቲ ዓለም-
ለኻዊ ማሕበረ-ሰብ Eዮም።

ኣብ ጉEዞ ናይ'ቲ ዋEላ ከም መንጎኛታት ዝረኣዩ ባEታታት ዓቢ ናይ ምEላይ ግደ ይህልዎም።


ኣብ ናይ በኒን ሃገራዊ ዋEላ ንኣብነት፡ ነቲ ኣኼባ ከም ኣቦ ወንበር ኰይኖም ዝመርሕዎን
ዝኣለይዎን ፡ኣቐዲሙ ከም Eተገልጸ፡ ሓደ ከም ገለልተኛ ዝርኣዩ ካህን Eዮም ዝነበሩ።

7. ምድላው ኣጀንዳ ዋEላ። ሓንሳብ Eቲ መስርሕ ዋEላ ምስ ተኸፍተ Eቲ ኣጀንዳ (መደብ Eዮ)
ክዳሎ ኣለዎ፡፡ Eቲ ዘተ ዝግበረሉ ሕቶታት ወይ ጉዳያት ክግለጽን ክበርህን፣ Eቲ ክብጻሕ
ዝድለ ዘሎ ሽቶታት ከኣ Eቲ ተሳታፊ ብሙሉU ከምዝርድOን ክግበር ኣለዎ። ብድሕር'ዚ Eቲ
ኣጀንዳ ብተሳተፍቲ ይጸድቕ።

8. ምወላ ሃገራዊ ዋEላ። መስርሕ ሃገራዊ ዋEላ ብዙሕ ገንዘብ ዝሓትት ጉዳይ'ዩ። ነዚ ዝኸውን
ገንዘብ ካበይ ይምጻE? ከም ግቡE Eቲ ሃገር ንገዛE ርEሱ ሓላፍነት ወሲዱ ፡ማለት ነብሱ
ኽIሉ፡ ክኸፍሎ ኣለዎ። ነቲ ዋEላ ንምድላው ፡ማለት ቅድሚ Eቲ ዋEላ ምጅማሩ፡ ዘድሊ
ገንዘብ፡ ደሓር ከኣ ምስ ተጀመረ Eውን ንመጓዓዓዚ፡ ንመEረፊ (መደቀሲ) ዝኸውን ገንዘብ፡ በቲ
ሃገር ክኽፈል ይግባE። Eንተኾነ ግን መብዛሕትU ጊዜ Eቲ ኣብ ናይ ቅልውላውን ድኽነትን
ዘይጥጥሐን ኩነታት ዘሎ ሃገር፡ ነዚ ዝኸውን ዓቕሚ የብሉን። በዚ ምኽንያት'ዚ ኣብ
መብዛሕትU ኩነታት፡ ካብ ምውዳብ ጀሚርካ ክሳብ ድሕሪ ምውዳE ዋEላን ምክትታል
ኣተገባብርUን፡ ንዘሎ Eማማት ዝኸውን ገንዘባዊ ሓገዝ ካብ ወጻEተኛታት ለገስቲ ምርካብ
ምሒር ኣድላዪ ይኸውን።

9. ንውሓት ጊዜ ዋEላ። ሃገራዊ ዋEላ ፡ማለት Eዉት ሃገራዊ ዋEላ፡ ዝወስዶ ጊዜ ይፈላለ Eዩ።
ዘይEዉት ወይ ናይ ሓሶት ሃገራዊ ዋEላ ዝወስዶ ጊዜ Eውን ይፈላለ'ዩ። ንኣብነት ሞቡቱ ሰሰ
ሰኮ ነቲ ዋEላ ብገለ ምስምሳት Eናመሓላለፈ ዓመታት ከምዝወስድ ገይርዎ። Eቲ መስርሕ
ከየፍረየ ሃጒጉ። ኣብ ገሊU ኩነት ከኣ ፡ንኣብነት ኣብ ጋቦን፡ Eቲ ተቓዋሚ ከይተዳለወ ከሎ
ዲክታተራት ዋEላ ዝበሃል ጸዊOም ኩሉ ነገር ውድE-ውድE ኣቢሎም፡ ኣብ ሓጺር Eዋን "ዋEላ
ተገይሩ" Iሎም፡ ኣብ ስልጣን ኮፍ ምባል ይቕጽሉ።

ኣብ ሓቀኛ መስርሓት ሃገራዊ ዋEላ Eውን Eቲ ንውሓት ጊዜ፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ፡ወይ ከከም
ኩነታቱ፡ ይፈላለ Eዩ። ኣብ ዳርጋ ኩለን ግን ነቲ ዋEላ ንምድላው ፡ማለት ቅድሚ ዋEላ
ምጅማሩ፡ ነዊሕ ጊዜ Eዩ ዝወስድ። Eቲ ዋEላ ፡ማለት Eቲ ኣኼባ፡ ንገዛE ርEሱ ግን ፡ዝፈላለ
Eዃ Eንተኾነ፡ ዝወሓደ Eዩ ዝወስድ። ንኣብነት ኣብ በኒን Eቲ ኣኼባ 9 መዓልቲ ወሲዱ። ኣብ
ኮንጎ (ብራዛቪል) 3 ወርሒ ወሲዱ። ኣብ ደቡብ-ኣፍሪቃ ግን Eቲ ኩነታት ዝተሓላለኸ
ብምንባሩ፡ ሓደ-ሓደ ጊዜ Eናተቛረጸ፡ ገለ ክልተ ዓመት ወሲዱ፡፡ Eቲ Eላማ ኣብ ኩሉ
ነጥብታት ኣብ ናይ ሓባር ስምምE ምብጻሕ፣ ነዚ ኸኣ ብዝተኻEለ መጠን ንጡፍን ቁልጡፍን፡
ህዉኽ ዘይኰነስ ቁልጡፍ፡ ብዝዀነ መንገዲ ምስልሳሉ Eዩ።

Eቲ ዝጽሞቕ ሓፈሻዊ ነጥብታት Eዚታት ክኸውን Eንከሎ፡ ዝርዝር ወይ ጭቡጥ ትርጉማት


ናይ'ዚ መደምደምታዊ ኣስተብህሎታት'ዚ ግን ካብ ኩነት ናብ ኩነት ይፈላለ Eዩ። ንኣብነት
ሃገራዊ ዋEላ ንኹሉ'ቲ ሓይልታት ህይወት ሃገር ዝሓቖፈ ወይ ዝወከለ ክኸውን ኣለዎ ተባሂሉ።

- 23 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

Eዞም ሓይልታት EዚOም መነ-መን ወይ ኣየኖት ሙዃኖም ግን ብዙሕ Eዋን፡ ወይ ዳርጋ ኩሉ


ጊዜ፡ ብኹነታት ናይ'ቲ ሃገር Eዩ ዝውሰን።

ንኣብነት ኣብ'ዚ ቀረባ ዓመታት "ሃገራዊ ዋEላ ንEርቂ" ብዝብል ስም ሓደ ናይ ሶማሊያውያን


መስርሕ ተበጊሱ፡ ተደጋጋሚ ኣኼባታት ተኻይዱ። ኣብ መወዳEታUስ ኣብ ናይሮቢ ኣብ
ዝተኻየደ ጉባኤ ናይ ሶማል ርEሰ-ብሔር Eውን ተመሪጹ። ቀንዲ Eላማ ናይ'ዚ ሃገራዊ ዋEላ'ዚ
ናይ'ታ ተሮኽሚሻ ዘላ ሶማል ትበሃል ሃገር ሓድነትን ልUላዊነትን መሬታዊ ምልAትን ምምላስ
ወይ ምሕዳስ ወይ ምጽዳቕ Eዩ ዝነበረ። ብኻልE ኣዘራርባ፡ Eዚ ጉዳይ ጂOግራፊያዊ ቅቡልነት
ነይሩ ማለት'ዩ። Eምበኣርከስ ኣገዳሲ Eማም ናይ'ቲ ዋEላ ኩሎም Eቶም ናይ ሶማሊያ ኤትኒካዊ
ጉጅለታት ተወኪሎም ኣካል Eታ ሃገር ምዃኖም ብምርግጋጽ ንምEዋጅን፣ ንኣካይዳ ናይ'ታ
ሃገር ብዝምልከት ከኣ ንመሰረታዊ ፖለቲካን ኣመሓዳድራን ዝርI ሓፈሻዊ ስምምE ንምግባርን
Eዩ።

Eዚ መሰረታዊ Eላማ ጂOግራፊያዊ ቅቡልነት Eምበኣር፡ Eንታዎት ኣካላት ኣብ'ቲ ሃገራዊ ዋEላ
ይወከሉ ንዝብል ሕቶ ይገዝO Eዩ። Eታ ሃገር ብደረጃ ኤትኒካዊ ጉጅለታት ተመቓቒላ ስለዘላ፡
Eተን ኤትኒካዊ ጉጅለታት ኩለን (ብዝተኻEለ መጠን) ኣብ'ቲ ዋEላ ክውከላ ኣለወን ማለት'ዩ።
Eዚ ኣብ ርEሲ Eተን ኣብ ካልE ዋEላታት Eውን ዝውከላ ጉጅለታት ፡ከም ምሁራት፣ መራሕቲ
ሃይማኖት፣ ነጋዶ፣ ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ ደቂንስትዮ ወዘተ. Eዩ። ምስ'ዚ ብዝተተሓሓዘ ክልለ
ዘለዎ ነጥቢ ኣሎ። ንሱ ኸኣ Eተን ከልOት ጉጅለታት ፡ከም በዓል በርገሳዊ ሕ-ሰብ፡ Eንተዀና
Eውን ንገዛE ርEሰን ብኤትኒካዊ መሰረት ዝቖማ Eየን ነይረን።

Eዚ ሸነኽ ተሞክሮ ሶማላውያን ኣብ ሃገራዊ Eርቂ፡ ንዓና ንኤርትራውያን Eውን ብመጠኑ


ዝምህረና ወይ ዝሕብረና ነገር ዘለዎ Eዩ።

- 24 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

6. ሃገራዊ ዋEላ ኣብ ኤርትራ


ኣብ ኤርትራ በዚ መዋEል'ዚ፡ ወይ ኣብ'ዚ መድረኽ'ዚ፡ ሃገራዊ ዋEላ ንዝተፈላለየ Eላማታት
ብዝምልከት ኣድላዪ ኰይኑ ንረኽቦ፡፡ ብዙሓት ካብተን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ Eላማታት ፡ማለት
ነተን ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረባ ሃገራት ኰነ ንሶማል ዝርEያ ነጥብታት፡ ንኤርትራ Eውን
ይምልከትኣ Eየን። ብኻልE ኣዘራርባ፡ ሃገራዊ ዋEላ ፡ካብ ምልካዊ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት
ንምስግጋር ዝሕግዝ ናይ ምጽውዋርን ናይ Eንካን-ሃባን ፖለቲካዊ ባህሊ ንምትEትታው፣
ንዝጸንሐ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ-ሓዘል ቅርሕንትታት ንምፍዋስ፣ ከምU ኸኣ ንጂOግራፊያዊ
ቅቡልነት ኤርትራ ከምብሓዲሽ ንምርግጋጽን መሰረቱ ንምድልዳልን የድሊ። ንገለ ካብ'ዚ
Eላማታት'ዚ ቁሩብ ጽንሕ Iልና ኣስፊሕና ክንርEዮ Iና።

ንሃገራዊ ዋEላ ብዝርI፡ ትርኣስ ወይ መወከሲ ክዀነና ዝኽEል ምEራፋት ኣብ ናይ ቀደም


ታሪኽና ብዙሕ የልቦን። Eዚ ክበሃል ከሎ ግን ብደረጃ "ኤርትራ" ንዝግበር ዋEላ ማለትና Eዩ።
ካብU ተረፈ ግን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ብሄረ-ሰባትና ንማሕበረ-ሰባዊ ስርዓተ-ናብራ ዘገልግል
ኣምራትን ኣገባባትን ነይሩ Eዩ። Eቲ ዝተፈላለየ ኣውራጃታት ወይ'ውን ወረዳታትን ብሄረ-
ሰባትን፡ ነንUU ዝምልከቶ ስርዓታት ንኸውጽE መታን ዝገብሮ ዝነበረ ዋEላታት ነይሩ'ዩ።
ንኤርትራ ብምልEታ ብዝርI ግን ብዘይካ Eታ ዘይተዛዘመት ወይ ምልEቲ ካብ ሙዃን
ዝተኾልፈት ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስን፡ Eታ ድሕሪ ውሳኔ ሕቡራት መንግስታት ዝተኻየደት፡ ጉባኤ
ሰላም ሲነማ Iምፐሮን፡ ካልE ንዓና በዚ Eዋን'ዚ ከም ምንጨ-ወኸሳ ኰይኑ ከገልግለና ዝኽEል
ሃገር-ለኸ ጉባኤ ወይ ተመሳሳሊU ኣይነበረን። ንዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ይኹን ንጉባኤ ሰላም ሲነማ
Iምፐሮ ቁርብ ጽንሕ Iልና ኣሕጽር ኣቢልና ክንርEዮ Iና።

ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ንሃገራዊ ዋEላ ብዝርI፡ ካብተን ሕብረተሰባት ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረባ
ሃገራት ኣፍሪቃ ይፍለ Eዩ። Eዘን ፍራንኮፎን ሃገራት'ዚAን፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝረኣናዮ፡
ፖለቲካዊ ባህሊ ፈረንሳ ፡ዋላ'ውን ብላህመታዊ መጠን Eንተዀነ፡ ዝጸለወን Eየን። Eንተወሓደ፡
Eቶም ምEቡላት ሕ-ሰብኣዊ ወገናት፡ ነቲ ሃገራዊ ዋEላ ወይ ህዝባዊ ኣኼባ ዝብሃል ኣምር
ሰሚOሞ ይፈልጡ Eዮም። ንሕና ግን ነዚ ጉዳይ'ዚ ብዝምልከት ብኤርትራ ደረጃ ክንግልገለሉ
EንኽEል ናይ ባEዳውያን ጽልዋ Eውን የብልናን። Eታ ኣውሮጳዊት ገዛIትና ዝነበረት ፡Eኳ
ድኣ ንኤርትራ ጠፍጢፋ-ጠፋጢፋ ሓንቲ ፖለቲኮ-ጂOግራፊያዊት ኣካል ዝገበረታ፡ ከምዚ ናይ
ፈረንሳ ዝኣመሰለ ታሪኽ የብላን። ከም ናይ ኣውሮጳዊት ገዛIትና-ነበር ታሪኽ ጌርና
Eንፈልጦን፡ ብጥማE ደረጃ Eውን ይኹን፡ ዝጸለወናን ንሃገራዊ ዋEላ ዝመሳሰል ኣምር ወይ
ተረኽቦ የልቦን።

Eዚ ክበሃል ከሎ ግን፡ ታሪኽ ፈረንሳ ዝመበገሲU ኣምር ሃገራዊ ዋEላ፡ ንዓና ጓና ዀይኑ
ክተርፍ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። ተሞክሮ ፈረንሳ ፡ዋላ'ውን ብመግዛEታዊ ዝምድና ኣቢሉ ትኽ
Iሉ ዝብጽሓና ኣይኹን Eምበር፡ ክንጠቕሶን ክንጥቀመሉንስ ንኽEል Iና።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ብደረጃ ኣውራጃ ወይ ወረዳ ወይ ብሄረ-ሰብ ዝማEበለ መውጽE


ሕጊ ዝዀነ ስርIታት ህዝባዊ Aኼባ ፈጺሙ ኣየገልግልን'ዩ ማለት ኣይኰነን። ከበሳዊ
ኣውራጃታትና ወይ ወረዳታትና፡ ከምU Eውን ካልOት ብሄረ-ሰባትና፡ ልማዳዊ ሕግታት፡
ስርዓት Eንዳባ Eንብሎ፡ ኣለወን። ኣብ ዳርጋ ኩለን Eተን ባህሊ ጽሕፈት ዘለወን ማሕበረ-ሰባት
ከምEንርEዮ፡ ከካብ "ጋንታ ትውልዲ"፡ ወይ ከካብ "Eንዳቦ"፡ ወይ ከካብ "ዓሌት"፡ ወይ ከካብ
"ማይ-ቤት"፡ ወይ ከካብ "ዓዲ"፡ ወይ ከካብ ወረዳ፡ ወከልቲ ተመሪጾም Iዮም ነቲ ስርዓት ወይ
ሕጊ ብሓባራዊ ስምምE ዘቑምዎ ዝነበሩ። Eቲ ኣኼባታት፡ ኣብ ገሊU "ዋEላ" ተባሂሉ ይጽዋE፣
ንኣብነት Eቲ ብ 1901 ንስርዓት ሃብስሉስ ገብረክርስቶስ ኣብ ጽሑፍ ንምስፋር ዝተኻየደ
ኣኼባ፡ "ዋEላ" ሽማግለታት ደቀ-ተሽም ተባሂሉ ኣብ'ቲ መቕደም ናይ'ቲ ሕጊ ተገሊጹ ኣሎ።
ኣብ ስርዓት ኣድግና-ተገለባ Eውን "ውEሎ" ተባሂሉ ተጠቒሱ ኣሎ።

Eቶም ወከልቲ ኸኣ ብቕዓትን ልቦናን ኣለዎም ተባሂሎም ዝተለለዩ ነበሩ። ኣብ ዝተፈላለየ


ሕግታት፡ "ዓበይቲ-ለባማት" (ኣድከመ-ምልጋE)፡ ወይ ከኣ "ኣEምሮን ፍልጠትን ዘለዎም"

- 25 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

(ሎጎጭዋ)፡ ወይ ከኣ "ለባማትን ምሁራትን" (ሎጎጭዋ)፡ ወይ ከኣ ብሓፈሽU "ሽማግለታት"


(ሃብስሉስ ገረክርስቶስ)፡ ተባሂሎም ይጥቀሱ።

ኣብቲ መስርሕ ዋEላ፡ ግደ መራሕቲ ሃይማኖት Eውን ኣገዳሲ ዝነበረ ይመስል። ንኣብነት ኣብ
ስርዓት ሎጎጭዋ ካህናት ከም ተሳተፍቲ ዋEላ ይምረጹ ከምዝነበሩ ተመልኪቱ ኣሎ። ከምU'ውን
Eቲ ሕግታት ኣብ መቕድማቱ ብጸሎት Eዩ ዝጅምር፤ Eቲ መስርሕ ብቐንዱ Eውን ኣብ
ገሊUስ ብጸሎትን ምህለላን ዝተሰነየ መንፈሳዊ ንጥፈት ከምዝነበረ ተገሊጹ ኣሎ። ንኣብነት፡
Eቲ ኣብ ስርዓት ኣድከመ-ምልጋE ዘሎ መቕድም፡ Eቶም ኣኼበኛታት "ንቑጽ Eንጀራ
Eናተመገቡ፣ ጥራይ ማይ ካብ ሩባ Eናሰተዩ፣ ኣብ ጽላል ሞሞና Eናጽለሉ፣ Eግዚኣብሄር
ግለጸልና Iሎም Eናለመኑ" ነቲ ሕጊ የሕድስዎ ነበሩ ይብል። (ኣድከመ ምልጋE፡ መቕድም
ገጽ 1)

Eቲ ኣኼባ ወይ ዋEላ ግዜ ዝወስድ ምይይጥ Iዩ ዝነበረ። ኣብ ስርዓት ኣድከመ-ምልጋE ዘሎ


መቕድም፡ Eቲ ዋEላ "መጠን ሰሙን-ክልተ ቕነ" ይወስድ ከምዝነበረ ይገልጽ።

ኣብ ማሕበረ-ሰባት መንሳE፡ ቢለን ወዘተ. Eውን ነዚ ዝመሳሰል ኣኼባታት ዓደቦ ተኸዪዱ፡


ስርዓታት ይምዝገብን ይሕደስን ነይሩ Eዩ። Eቲ ስርዓታት ከኣ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ፡ ከም
መወከሲ ኣገልጊሉ Iዩ። Eቲ ናይ መንሳE፡ “ፍትሕ-መሓሪ - ሕጊ ክልተ መንሳE“ ይበሃል፡፡
ቢለን Eውን (ቤት ታርቀን ቤት ታውቀን) ናታቶም ስርዓት ኣለዎም፡፡ ኣልበርቶ ፖለራ
ከምዝጸሓፎ፡ ንቤት ታርቀ ብዝርI፡ ምጋርሕ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣኼባታት ተገይሩ፡ “ፍትሓ
ምጋርሕ ወይ ከኣ ሕጊ ምጋርሕ“ ዝብል ስም ዝተዋህቦ ብ “Eኩብ መምርሒታት“ ዝቖመ ስርዓት
ኣሎ፡፡ ቤት ታውቀ Eንተኾኑ Eውን፡ ሕግታቶም “ብገለ ኣገዳስነት ዘይብሉ ለውጥታት
Eንተዘይኰይኑ“ ካብ ናይ ታርቀ ብዙሕ ኣይፍለን Iዩ፣ ከምቲ ፖለራ ዝብሎ ግን፡ "ናይ
ቁርኣናዊ ሕጊ ጽልዋ (ኣብኣታቶም) ዝያዳ ዝሰረጸ Iዩ“፡፡ (ፖለራ፡ ገጻት 169-170) ኣብተን
ካልOት ብሄረ-ሰባት Eውን ብትሕዝቶU ነዚታት ዝመሳሰል ተሞክሮታት ከምዝነበረ ዝምስክር
ታሪኻትን ያታታትን ኣሎ Eዩ።

Eዚ ክንጠቕሶ ዝጸናሕና ነጥብታት፡ ብትሕተ-ሃገራዊ ደረጃ ናይ ዋEላ ወይ ዋEላ መሳሊ


መስርሓት ከምዝነበረ ዝEምት Eዩ። ብሃገር ደረጃ Eውን Eንተኾነ፡ ብትሕዝቶAንን
ብመንፈሰንን መስርሓት ሃገራዊ ዋEላ ክበሃላ ዝኽEላ፡ ብዓይኒ ታሪኽ ናይ ቀረባ ተሞክሮታት
ዝዀና ኣለዋና'የን። ንሳተን ከኣ ፡ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ፡ Eታ ናይ 1946 ዓ.ም. "ዋEላ
ቤት-ጊዮርጊስ" ተባሂላ ትፍለጥ ኣኼባን፡ Eታ ድሕሪ ብይን ሕቡራት መንግስታት ኣብ
መወዳEታ ታሕሳስ 1950 ዝተኻየደት፡ ጉባኤ ሰላም ሲነማ Iምፐሮ ዝተባህለትን Iየን።

6. 1. "ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ"

ኣብ'ቲ ኲናት ምስራቕ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዝጽዋE ክፋል ካልኣይ ውግE ዓለም፡ ሓይልታት
Eንግሊዝን ካልOት መሓዙትን ንIጣልያ ሰዓሩዋ፡፡ ከም ውጽIት ናይ'ዚ ኸኣ ኤርትራ ኣብ
ትሕቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር Eንግሊዝ ኣተወት፡፡ ካብ'ቲ Eዋን'ቲ ጀሚሩ፡ Iጣልያን
Iትዮጵያን ዝርከበAን መንግስታት፡ ኤርትራ ንመን? ብዝብል ሕቶ ኣብ ምውጣጥ ኣተዋ፡፡
ኤርትራውያን Eውን ብመልክE ፖለቲካዊ ጋንታታት ተወዲቦም ብዛEባ መጻI Eድል ሃገሮም
ክንቀሳቐሱ ጀመሩ፡፡

መንግስቲ ጣልያን ኣብ'ቲ ብየካቲት 1947 ኣብ ፓሪስ ዝተኸተመ ውEል ሰላም፡ Eተን ግዙኣታ
ዝነበራ ሃገራት ክምለሳላ ንኸይትሓትት ምስተሰማምAት ኤርትራ ካብ ባEዳዊ መግዛEቲ ሓራ
ከምEትወጽE ዳርጋ ተረጋገጸ፡፡ Eንተዀነ ግን፡ ቀቅድሚU ኣብ ዝነበረ ወርሓት Eውን ትጽቢት
ናይ'ዚ ምEባለ'ዚ ነይሩ Iዩ፡፡ ምስU ብዝተተሓሓዘ ኸኣ Aብ ውሽጢ ኤርትራ Eንኰላይ ደማዊ
ዓመጽ ዘሰነዮ ፖለቲካዊ ቃልስታት ገኒኑ ነበረ፡፡

Eዚ ቃልስታት'ዚ ኣEዳውን ገንዘብን ናይ'ቶም ኣብ ኣስመራ ዝነበሩ ወኪል Iትዮጵያ ይሕወሶ


ነይሩ Iዩ፡፡ Eንግሊዛውያን Eውን ነቲ ቃልስታት ኣብ ምብላሕ ዓቢ ግደ ነይሩዎም'ዩ፡፡ ብ1946

- 26 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ዓ.ም. ወተሃደራዊ ምምሕዳር Eንግሊዝ ንኤርትራውያን ብሃይማኖትን ካልE ትሕተ-ሃገራዊ


መስመራትን ፈላሊዩ፡ ንኤርትራ ኣብ ክልተ ፡ማለት ኣብ ከበሳን ምEራባዊ ቆላን፡ መቓቒሉ ገለ
ሸነኻ ንሱዳን፣ ገለ ኸኣ ንIትዮጵያ ክጽንብር ዝዓለመ መደብ የዋፍር ነይሩ። (ሎነግሪግ፡ ገጻት
168-175)

በቲ ጊዜ'ቲ ኤርትራ Eንታይ ትኹን? ኣብ ዝብል ሕቶ ኣቦታትና ተፈላልዮም ነይሮም። Eተን


ዓበይቲ ወይ ቀንዲ ሰልፍታት ወይ ጋንታታት፡ Eታ ሓድነት ምስ Iትዮጵያ ትብልን፣ Eተን
በብናተን መንገዲ፡ ኤርትራ ከይዳ-ኸይዳ ንበይና ነጻ ሃገር ትኹን ዝብላን ነበራ። ብቕድሙ፡
ወይ ብባህርያት ኣቃዋውማ ኤርትራ፡ ስንኩፍ ዝነበረ ጂOግራፍያዊ ቅቡልነት በቲ ናይ'ቲ
Eዋን'ቲ ፖለቲካን ሃዋህውን ምሒር ተበድሀ።

Eዚ ክልተ ዝተፈላለየ መርገጻት ንሃገርና ክፈናጭል ዝኽEል ሙዃኑ ንብዙሓት ኤርትራውያን


ፖለቲከኛታት ብሩህ ነበረ፡፡ ከም በዓል ፊታውራሪ ገብረመስቀል ወልዱ፡ ብላታ Oመር ቃዲ፡
ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ሸኽ Iብራሂም ሱልጣን፡ ሸኽ ዓበዱልቃድር ከቢረ ዝኣመሰሉ፡
ኣብ ዝተፈላለያ ውድባት ዝነበሩ ለባማት መራሕቲ፡ ሓደ ማEከላይ ፍታሕ ክኸውን ዝኽEል
ጥበብ ሃሰስ ይብሉ ነይሮም። ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ዝተኻየደሉ ወይ ኣድላይነቱ ዝተራEየሉ ነዚ
ጥበብ’ዚ ንምህንዳስ ይሕሰበሉ ኣብ ዝነበረ Eዋን Iዩ፡፡

ኣብ'ዚ ኣዚና ክነስተብህለሉ ዘሎና ጉዳይ ኣሎ። ንኤርትራውያን ፖለቲከኛታት ኣብ'ቲ Eዋን'ቲ
ብቐዳምነት ኣጨኒቑዎም ዝነበረ ዋኒን፡ ቀጻልነት ሓንቲ ኤርትራ ምርግጋጽ ወይ ምውሓስ Eዩ።
ነዚ ንምግባር ኤርትራውያን ንኽሰምሩ ብርቱE ጻEሪ ተኻየደ። Eኳ ደኣ፡ ኣረኣEያ
ፖለቲከኛታትና በቲ Eዋን'ቲ፡ ዝኾነ ውሳኔ ፍታሕ ክኸውን Eንተድኣ ኮይኑ፡ ኤርትራውያን
ኩሎም ተረዳዲOም ዝተቐበልዎ ክኽውን ኣለዎ ዝብል ዝነበረ ይመስል። ንኣብነት ኣቶ
ወልደኣብ ወልደማርያም፡ ከም'ቲ ኣለምሰገድ ተስፋይ ገሊጽዎ ዘሎ፡ "ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ
ናብ ዝዛዘወ ይዛዙ ግን፣ መጀመርታ ስምረት ኤርትራውያን ሓተቱ" (ኣለምሰገድ፡ ገጽ 176)፡፡
በዚ መንፈስ'ዚ ዓበይቲ ፖለቲከኛታት ኤርትራ ኣብ ምርድዳE ገጾም ይኸዱ ነይሮም። ንኣብነት
Eቶም ብዘይ ቅድመ-ኩነት ሕብረት ምስ Iትዮጵያ ዝጠልቡ ዝነበሩ መራሕቲ "ንፍሉይነትን
ዝተፈላለየ መሰላትን ኤርትራን ህዝባን ብዝሕሉ ኣገባብ" Eዩ ክኸውን ዘለዎ ይብሉ ነበሩ።
(ኣለምሰገድ፡ ገጽ 177)

ንኤርትራ ናይ ምምቕቓል ሓሳብ ጽUቕ ወፈራ ይካየደሉ ኣብ ዝነበረ ጊዜ፡ ከም በዓል


ወልደኣብ ወልደማርያምን ገብረመስቀል ወልዱን ዝበሉ ናይ ዝተፈላለያ ጋንታታት መራሕቲ
ልባውን ሓላይን ልዝባት ኣካየዱ። ሓድነት ኤርትራ ንምሕላው ማEከላዊ ፍታሕ ኣድላዪ Iዩ
ዝብል ሓሳብ Eውን ብኣታቶም ተቐባልነት Eንዳረኸበ ኸደ። Eቲ ማEከላዊ ፍታሕ Eንታይ'ዩ
ነይሩ? Eቲ ፍታሕ፡ Eቶም ብሞግዚትነት Eንግሊዝ ሓሊፍካ ሙሉE ነጻነት ኤርትራ ምርግጋጽ
ዝብሉ ዝነበሩን፣ Eቶም ህጹጹን ኣሃዳውን ሓድነት ምስ Iትዮጵያ ዝብሉ ዝነበሩን፡ ከካብ
መርገጾም ፍንትት ክብሉ Eሞ፡ ኣብ ውEል ዝተመስርተ፡ ውሕስነት ዘለዎ ዝምድና ምስ
Iትዮጵያ ንኽቕበሉ ዝብል Eዩ ነይሩ። Eዚ Eንታይ ማለት'ዩ ነይሩ? Eዚ ማለት ኤርትራ ምስ
Iትዮጵያ ክትዛመድ፣ ግን ውሽጣዊ ነጻነታ ሕሉው ክኸውን፣ ኣብ ምEቡል ምEራባዊ ሃገራት
ዝፍለጥ ፖለቲካዊን ሲቪላውን መሰላት፡ ከም ሙቛም ፖለቲካዊ ሰልፍታት፣ ናይ ፕረስ፡ ናይ
Eምነት፡ ናይ ስትረት፡ ናይ ምንቅስቓስ ነጻነት ወዘተ. ብግብሪ ዝዝውተረላን ዝሕለወላን
ክትከውን ማለት'ዩ ነይሩ።

Eዚ ዝተጠቕሰ ዋሕስነት ንኹሎም ኤርትራውያን ኣድላዪ Iዩ ነይሩ፡፡ Eንተኾነ ግን፡ ናይ'ቲ


Eዋን'ቲ ንጉሳዊ መንግስቲ Iትዮጵያ ዘተኣማምን ዓለማውነት (secularism) ስለ ዘይነበሮ፡
Eቲ ዋሕስነት ነቲ መታሕታውን Eስላማውን ህዝብና ዝያዳ ኣገዳስነት ነይሩዎ። ኤርትራ ምስ
Iትዮጵያ ምስ Eትዛመድ Eምበኣር Eቲ መሰረት ሓድነታን ሓድነት ህዝባን ዝኸውን ከይዱ-
ኸይዱ Eዚ ዝተባህለ ውሽጣዊ ነጻነትን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን Eዩ ክኸውን ዝኽEል ዝነበረ፡፡
ብኻልE ኣዘራርባ፡ Eቲ ኣውቶኖምን ዲሞክራስያዊ ዋሕስነትን መሰረትን መሐለውታን
ጆOግራፍያዊ ቅቡልነት ኤርትራ ክኸውን'ዩ ዝብል ትጽቢት ነይሩ'ዩ ክበሃል ይከኣል።

- 27 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

በቲ Eዋን'ቲ፡ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታት፡ ህዝቢ ተረዳዲU ንሃገር ዝጠቅም ፍታሕ ከምጽE


ይኽEል'ዩ ዝብል Eምነት ዝነበሮም ይመስሉ። ህዝቢ ክብሉ ኸለዉ ኸኣ ዓበይትን ፍሉጣትን፡
ማለት መኳንንትን ምሁራትን መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ጥራይ ከይኮኑ፡ Eቲ ተራ ሰብ'ውን
ማለቶም ምንባሩ ካብ ናይ ገሊOም መራሕቲ ኣዘራርባ ይበርህ።

መራሕቲ ሰልፍታት ኤርትራ ብሓልዮት ሃገራዊ ሓድነት ሃናጺ ናይ ምርድዳEን Eንካን-ሃባን


መስርሕ ጀሚሮምሉ ኣብ ዝነበሩ Eዋን'ዩ ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ክግበር ዝተባህለ። መበገሲ-ሓሳብ
ናይ ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ Eውን Eዚ ዝተጠቕሰ ሃናጽን ሓድነታውን መንፈስ ዝደፋፍO Eዩ
ነይሩ።

ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ክልተ ደረጃታት Eዩ ነይርዎ። Eቲ ቀዳማይ ናይቶም ቀንዲ መራሕትን


ወደብትን ኣኼባ Eዩ ነይሩ። EላማU ካኣ Eቲ ሰፊሕ ዋEላ ህዝቢ ብዛEባ Eንታይ-Eንታይ
ተመያዪጡ ከምዝሰማማE ንምውሳን ነበረ። ብሓጺሩ ናይ'ቲ ቀንዲ ዋEላ ኣጀንዳ ዘውጽE ኣካል
ኣኼባ Eዩ ነይሩ። Eዚ ኣኼባ'ዚ ብጽቡቕ ፡ማለት ብምርድዳE፡ ብ16 ሕዳር 1946 ተሰላሲሉ።
Eቲ ዓቢ፡ ማለት Eቲ ካልኣይ፡ ዋEላ ን24 ሕዳር 1946 ክካየድ ተወሲኑ።

ኣብ ድሮ ናይ'ታ መዓልቲ ዋEላ፡ ማሕበር ሕብረት ህጹጽ ኣኼባ ገበሩ። ወኪል መንግስቲ
Iትዮጵያ'ውን ኣብ'ቲ ኣኼባ በድማEነት ተሳቲፎም ነበሩ። Eቲ ኣኼባ፡ ወኪል Iትዮጵያ
ብዝመደብዎ ስትራተጂ፡ ነቲ ውሽጣዊ ነጻነትን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ዝትሕዝቶU ኩነት
መሰረት ዝምድና Iትዮጵያን ኤርትራን ክኸውን ዝብል ለባማት መራሕቲ ሰልፍታት፡ Eንኮላይ
ገለ መራሕቲ ማሕበር ሕብረት፡ ዝተሰማማEሉን ዝተቐበልዎን ሓሳብ ነጸጎን ኮነኖን፡፡ Eዚ
ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ነዚ ሓሳብ'ዚ ተሳማሚOምሉ ዝነበሩ ሉሉይ መራሒ ማሕበር ሕብረት
ገብረመስቀል ወልዱ ወቒሱ፡ መሪሕ ቦታOም ኣግደፎም።

በቲ መዓልቲ ቖጸራ Eቲ ኣኼባ ተጀመረ። ኣብ'ቲ ኣኼባ ግን ኣብ ርEሲ Eቶም ኩሎም ካልOት
ሰልፍታት፡ Eቶም ንምርድዳE ድሉዋት ዝነበሩ ኣባላት ማሕበር ሕብረት ጥራይ ከይኰኑ፡
Eቶም ኣካል'ዚ ማሕበር'ዚ ኰይኖም ዝተመልመሉ ማሕበር ኣንድነት ዝበሃሉ፡ ሓይሊ
ንምዝውታር ዝህንጠዩ ኣጓብዝ ነበሩ። ኣብ'ዚ ኩነታት'ዚ ኩሎም መራሕቲ ማሕበር ሕብረት፡
Eንኮላይ Eቶም ቅድም ልዙብ ምርድዳE ገይሮም ዝነበሩ፡ ነቲ ብውEል ፡ማለት ውሽጣዊ
ነጻነትን ዲሞክራሲያዊ መሰላትን ዝመሰረቱ፡ ዝምድና ዝብል ገዲፎም፡ ምስ Iትዮጵያ ሙሉE፡
ማለት ኣሃዳዊ፡ ሓድነት Iና ንደሊ በሉ። ኣብቲ ኣኼባ ብርቱE ምስሕሓብ ተፈጥረ፤ Eቶም
ኣጉባዝ ኣንድነት "Eግርግር ፈጠሩ"። ነቶም ናይ ነጻነት ወገን ከጥቅU ሙዃኖም ከኣ ርUይ
ኰነ። በዚ ምኽንያት'ዚ Eቲ ኣኼባ ተበተነ።

ናይ ማEከላይ ፍታሕ ጻEሪ፡ ወይ ከኣ ከም'ቲ ኣለምሰገድ ዝበሎ፡ "Eቲ ኣብ መንጎ ክልተ


ወገናት ሰፊኑ ዝነበረ ናይ ምትEርራቕ መንፈስ" ኣብ ፍጻሜU ኣይበጽሐን።

ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ብዘይምEዋቱ ሓድነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ፤ ጂOግራፊያዊ ቅቡልነት


Eታ ሃገር መሊሱ ተበድሀ። ብዙሓት ተኸተልቲ ሃይማኖት ምስልምና ፡ብፍላይ ደቂ ምEራባዊ
ቆላ፡ ብገለ ካብ'ቲ ተረኽቦታት ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ኣዚዮም ሰንበዱን ሓረቑን። ቅድሚ ዋEላ
ቤት-ጊዮርጊስ Eውን ዝተቐልቀለ ፡ግን'ከ ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ተዓዊቱ ነይሩ Eንተዝኸውን
ክዓግቶ ዝኽEል ዝነበረ፡ ገለ ዝንባሌታት ነይሩ Eዩ። ድሕሪ ፍሽለት ቤት-ጊዮርጊስ Eዚ
ዝንባሌታት'ዚ ጐሃረ። ሓደ ካብ'ቲ መግሃዲU ወይ'ውን ሳEቤናቱ ከኣ ሙቛም ራቢጣ-ኣል
Iስላሚያ ነበረ።

6. 2. ራቢጣ-ኣል Iስላሚያ

ራቢጣ-ኣል Iስላሚያ ዝተመስረተሉ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣሎ። Eቲ ፈለማ ዝተገልጸ Eላማ፡


ነቲ ንትግረ ጸቒጡ ዝነበረ መስፍናዊ ስርዓት ሽማግለ ምፍራስ ዝብል Iዩ ነይሩ። Eዚ
ኣቀራርባ'ዚ ንትግረ ዘበለ ንምልEዓል ሓጊዙ'ዩ፡፡ Eቲ ቀንዲ ሸቶ ራቢጣ-ኣል Iስላሚያ ግን ናብ
ሕቶ ዝምድና ኤርትራን Iትዮጵያን ዘትኰረ Eዩ ነይሩ። ኣብ ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ኣብ ዝነበረ
Eግርግር ገለ ተጣበቕቲ ኣሃዳዊ ሕብረት ኤርትራን Iትዮጵያን ኣብ ልEሊ ኣስላም ብሓይሊ

- 28 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ጽቕጠት ክገብሩ ከምዝደልዩ ተጋሂዲ Eዩ ተባሂሉ ስለዝተኣመነ፡ ኣስላም ብዛEባ "መጻI Eድል
ኤርትራ" መርገጾም ንኽውሱኑን ንመርገጾም ንኽጣበቑን Iሎም ተወደቡ። ብቐንዱ ኸኣ፡
መንግስቲ Iትዮጵያ ኣብ ዓዳ ንዘለዉ Eስላም ተስተናEቖምን ተዳልዎምን Iያ፣ ገለ ከበሳውያን
ኤርትራውያን Eውን ኣብ ልEሊ ኣስላማይ ዘቡU ኣሉታዊ ኣረኣEያ ኣለዎም፡ ካብ ዝብል
ትEዝብትታት ዝተበገሰ ስግኣት ነይሩ'ዩ፡፡ Eዚ ትEዝብትታትን ስግኣትን'ዚ ከኣ ምውዳብ
ኣድላዪ Iዩ ናብ ዝብል መደምደምታ መርሐ። Eቲ ውድብ ኣብ ከረን ተመስረተ። ራቢጣ-ኣል
Iስላሚያ ኸኣ ተባህለ።

Eቶም መራሕቲ ኣል ራቢጣ-ኣል Iስላሚያ ከምዝብልዎ፡ ብመንግስቲ Iትዮጵያ ዝተደፋፍA


ናይ ገሊOም ከበሳውያን ኣከያይዳን ኣዘራርባን ስግኣት ስለዘሕደረሎም Iዮም ንዋሕስነት
ዝዀኖም ማሕበር መስሪቶም፡ Eምበር ነስላምን ክርስትያንን ናይ ምፍልላይ Eላማ ስለዝነበሮም
ኣይኮነን። Eኳ ዳኣ፡ ብዛEባ Eዚ ጉዳይ'ዚ ምስ ገለ ክርስትያን ፡ብፍላይ ምስቶም ደሓር ኤርትራ
ንኤርትራውያን ዝስሙ ሰልፊ ዝመስረቱ ከበሳውያን፡ ተረዳዲOም ነይሮም Eዮም ይበሃል።

Eምበኣር ብኣረኣEያ ራቢጣ-ኣል Iስላሚያ፡ ሃይማኖት መወደቢ ደኣ Eምበር Eላማ ወይ ሸቶ


ኣይነበረን ማለት'ዩ።

ዝዀነ ዀይኑ፡ ንመጻI Eድል ኤርትራ ብዝርI ራቢጣ ካብ ማሕበር ሕብረት ተፈልየት።
Eቶም "ብውEል ምስ Iትዮጵያ" ንዝብል ሓሳብ ዝቕበሉ ዝነበሩ፡ ድሕሪ ምብርዓን ዋEላ ቤት-
ጊዮርጊስ ቀየሩ። ሕብረት ዝበሀል ነጺጎም ተጣበቕቲ ሙሉE ነጻነት ኰኑ። ሓደ ካብኣቶም፡
ቀኛዝማች ብርሃኑ ኣሕመዲን፡ ነዚ ነጥቢ'ዚ ብኸምዚ ገለጽዎ፤

"ብውEል ምስ Iትዮጵያ ንብል Eንተነበርና ድማ፡ ኣብ ቤት-ጊዮርጊስ ገጽና


ወቒዓትኩም ብዝሰደድኩምና፡ Eቲ ሓሳብ'ቲ ተበታቲኑ ተሪፉ ነበረ'ሞ፡ ማሕበር ኣል
ራቢጣ-ኣል Iስላሚያ ብድሕሪU Eዩ ዝተጀመረ . . . " (ኣለምሰገድ፣ ገጽ 206)

ምትEንቓፍ ወይ ምብታን ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ምፍልላይ


ከምዘምጽA፡ ካብ ራቢጣ ወጻI ዝዀኑ ክርስትያን Eውን መስኪሮም Eዮም። ንኣብነት፡ ኣብ
ምስረታ ኤርትራ-ንኤርትራውያን፡ ደጊያት ኣብርሃ ተሰማ ምብታን ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ኣብ
መንጎ ኤርትራውያን ፍልልያት ከምዘምጸA ጠቒሶም ከምዚ በሉ፤

"'ዘራጊት ዘላተን ኣሓስ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ' ከምዝበሃል፡ ብሓደ-ኽልተ ሕይወት


ሃገሮም ዘይደልዩ (ተላIኾም Eንተኾኑ'ውን ኣይፍለጥን)፡ Eቲ መድሃኒት ሃገርና
ክኸውን ተሓሲቡ ዝነበረ ተበቲኑ ተረፈ!!" (ኣለምሰገድ፣ ገጽ 226)

ደጊያት ኣብርሃ ነዚ ቃላት'ዚ ኣብ ምስረታ ኤርትራ ንኤርትራውያን Iዮም ተዛሪቦሞ። Eቲ


ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ክልተ ተገሚU ስለዝነበረ፡ ኤርትራ ንኤርትራውያን ዝቖመ ንነጻነት
ኤርትራ ንምጥባቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓድነት ናይ'ታ ብኽርስትያንን ኣስላምን ዝቖመት ሃገር
ንምሕላው Eውን Eዩ ነይሩ። Eዚ ሰልፊ'ዚ ምስ ራቢጣ-ኣል Eስላምያ ርክብ ነይሩዎ'ዩ። ደሓር
Eውን ኣባል ናይ'ቲ ቀጽሪ ነጻነት ዝተባህለ፡ ንኹለን Eተን ደለይቲ ነጻነት ዝዀና ሰልፍታት
ዝሓቖፈ ደንበ ኰይኑ'ዩ። ብድሕሪ ምብታን ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ Eምበኣር፡ ኣብ ሞንጎ
ተጣበቕቲ ሕብረትን ራቢጣን ክስታትን ዘመተታትን ተኻይዱ፡ ንሓድነት ኤርትራ ዘስግE
ኩነታት ሰፈነ። ግን በዚ ጊዜ'ዚ Eውን ገና ንልዝብን ምርድዳEን Eሞ "ዳግማይ ቤት-ጊዮርጊስ"፡
ማለት ዳግማይ ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ፡ ንኽውደብን ንኽካየድን ዝተንቀሳቐሱ መስተውዓልቲ
ነይሮም'ዮም። ኣረኣEያ ናይ'ዞም ልዙባት ተንቀሳቐስቲ Eዚኣቶም፡ መጻI Eድል ኤርትራ፡
ሓድነት ምስ Iትዮጵያ Eውን Eንተዀነ፡ ከም'ቲ ኣለምሰገድ ዝብሎ "ብዘተን ስምምEን
ኤርትራውያን ይምጻE" ዝብል ነይሩ።

ሽሕ'ኳ ከምዚOም ዝኣመሰሉ ተንቀሳቐስቲ ብዙሕ ጻEርታት Eንተኣካየዱ፡ Eቲ ፍልልያትስ


ቀጸለ ደኣ፤ ንጂOግራፍያዊ ቅቡልነት ኤርትራ ኸኣ መመሊሱ በደሆ።

- 29 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ኤርትራውያን "ዳግማይ ቤት-ጊዮርጊስ" ከይገበሩ Eንከለዉ፡ ጉዳይ ኤርትራ ማEከላይ ፍታሕ


(compromise solution) ተባሂሉ ብዝተገልጸ መንገዲ ክውዳE፡ ዝብል ሓሳብ ካብ
ወጻEተኛታት መንግስታት መጸ። Eዚ ሓሳብ'ዚ፡ ኤርትራ “ፈደራሲዮን" ተባሂሉ ብዝተጸወA
ውሽጣዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ትሕቲ ልUላውነት ዘውዳዊት Iትዮጵያ ክትሓብር ዝብል ነበረ። ነዚ
ሓሳብ'ዚ ፡ከም ማEከላይ ፍታሕ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ሰልፍታት ተቐበልዎ። ዋላ Eቶም ምስ
Iትዮጵያ ሓድነት ዘይደልዩ ዝነበሩ Eውን፡ ኤርትራ ከይተፈላለየት፡ ምልኣተ-መሬታ
ከይተተንከፈ፡ ንኽትቅጽል Iሎም ተቐበልዎ።

ካብ'ዚ ኣብ ላEሊ ዝረኣናዮ Eምበኣር፡ ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ተዓዊቱ Eንተዝነብር ህዝብና ኣብ


ናይ ሓባር ስምምE በጺሑ፡ ሕቶ ኤርትራ ካብ ኤርትራውያን ብዝነቐለ ናይ Eንካን-ሃባን፡ ናይ
ምርድዳE፡ መስርሕ ንኹሉ ዘEግብ መፍትሒ ክረክብ ይኽEል ከምዝነበረ ንርዳE። ዋEላ
ስለዘይተገብረ ግን ናይ ሓባር ስምምE ኣይተበጽሐን። Eዚ ድማ ሳEቤናት ገዲፉ Eዩ፤ ዋላ'ኳ
ነቲ ፈደራስዮን ኩሎም ጉጅለታት ይቀበልዎ Eምበር፡ ብናይ ገዛE-ርEሶም ዝኾነ መስርሕ
ዋEላን Eንካን-ሃባን ስለዘይመጸ፡ ኣሉታዊ ሳEቤናት ነይሩዎ'ዩ። ሳEቤናት ፍሽለት ዋEላ ቤት-
ጊዮርጊስ መመሊሱ Eናተጋህደ ኸደ፣ ክሳብ ሕጂ ኸኣ ኣሎ።

6. 3. ጉባኤ ሰላም ሲነማ Iምፐሮ

Eቲ ኩሎም ሰልፍታት ዝተቐበልዎ፡ ብሕቡራት መንግስታት ዝተወሰነ ሓድነት ኤርትራ ምስ


Iትዮጵያ፡ ኩነት ወይ ዋሕስነት መሳሊ ዘይነበሮ ኣይኰነን፣ ነይሩዎ'ዩ። ኤርትራ
ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንኽትናበርን፡ Eቲ ናታ ውሽጣዊ ነጻነት ንኽሕሎን መታን፡ Iትዮጵያ
ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ Iዳ ከይተEቱ ዝኽልክል ፈደራላዊ ውሳኔ ሕ-መንግስታት
ነይሩ'ዩ።

ድሕር'ዚ መደምደምታ'ዚ ነቶም ተፈላልዮምን ተቐያይሞምን ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ኤርትራ


ንምትEራቕ፡ ጉባኤ ሰላም (ሎሚ "ሃገራዊ Eርቂ" Eንብሎ) ይካየድ፡ ዝብል ሓሳባት ብፍኑው
ተላEለ። ተቐባልነት ረኺቡ ብ31 ታሕሳስ 1950 ኣብ ሲነማ Iምፐሮ ተኻየደ። ከመይ ነይሩ
Eቲ ጉባኤ?

1. ኣበጋግሳ ሓሳብ ጉባኤ ሰላም ህዝባዊ፡ ወይ ብዝሐ-ሰልፋዊ Eዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።


ብኽልቲU ወገናት፡ ማለት ብወገን Eቲ ሓድነት ምስ Iትዮጵያ ዝደሊ ዝነበረን፡ ብወገን Eቲ
ነጻነት ዝደሊ ዝነበረን፡ Eዩ መተዓረቒ ጉባኤ ይገበር ዝብል ደሃያት ዝተላEለ፡፡

2. ኣብ'ቲ ኣኼባ፡ ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ጥራይ ዘይኮኑ፡ መራሕቲ Eተን ኩለን ሃይማኖታዊ
ጉጅለታት ኤርትራ Eውን ተረኺቦም ነበሩ። Eዚ ኣዝዩ ኣገዳሲ ነይሩ፡ ምኽንያቱ Eቲ
ፍልልያት ገለ ሃይማኖታዊ ተምሳል ወይ ቃና ነይሩዎ'ዩ።

3. ብዙሕ ህዝቢ ዝተሳተፎ ጉባኤ Eዩ ነይሩ። ከምቲ ኣለምሰገድ ተስፋይ ዝብሎ ገለ 4000
ዝኸውን ህዝቢ ነይሩ።

4. ደቂ ሃገር ዘይኮኑ ኣካላት Eውን ተሳቲፎሞ Iዮም፡፡ ንኣብነት፡ ወከልቲ ምምሕዳር


Eንግሊዝን ካልOት ወጻEተኛታት ተዓዛቦን ነይሮም Iዮም።

5. ናይ'ቲ ጉባኤ ኣገባብ ብሓቂ ልባዊ፣ Aረ'ውን ዳርጋ ድራማዊ፡ ዝዀነ ሸነኽ ነይሩዎ።
ልሉያትን ዝተኸበሩን፡ ኣብ ተጻረርቲ ሰልፍታት ዝነበሩ ኣቦታት፡ ከም በዓል ራEሲ ተሰማን
ራEሲ ኪዳነ ማርያምን፡ ንገለ ዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝወለዶ ጽልEን
ቅርሕንትን ከምዝተወደA ብዝEምት መልክE፡ ኣብ ቅድሚ Eቲ ኩሉ ህዝቢ ልባውን
ሕውነታውን ሰላምታ ተለዋወጡ። ንህዝቢ ልቡ ተንከፍዎ።

በቲ Eዋን'ቲ Eምበኣር ፡ማለት ካብ መወዳEታ 1950 ጀሚሩ፡ ኩሎም ኤርትራውያን ሰልፍታት


ዝተቐበልዎ፡ Eቲ ፈደረሽን Eንብሎ ፍታሕ Eንካን-ሃባን ኣብ ግብሪ ንኽውEል ኣብ መስርሕ

- 30 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ስለዝነበረ፡ Eቲ ንነጻነት ዝጣበቕ ዝነበረ ልፍንቲ፡ ማለት ቀጽሪ ነጻነት፡ ሽሙን EላምUን
ቀይሩ፡ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ኤርትራ ተባህለ። Eዚ ለውጢ'ዚ ኣገዳሲ ነይሩ። በቲ ሓደ ወገን
ኤርትራ Eንታይ ትኹን፡ ንበይና'ዶስ ምስ Iትዮጵያ፡ ዝብል ሕቶ መEልቦ ከምዝተገበረሉ
ኣመተ፤ በቲ ካልE ሸነኽ ከኣ Eዚ ሕቶ'ዚ መEልቦ ይርከብ Eምበር፡ Eቲ ዋሕስነቱ ዝዀነ
ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፡ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ውሽጣዊ ጎይትነትን (ኣውቶኖሚ) ንኽሕሎ ቀጻሊ
ጸዓት ከምዘድሊ ሓበረ።

ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስካ ክርA Eንከሎ፡ ናይ'ቲ Eዋን'ቲ ፖለቲከኛታት ኤርትራ ዝነኣድ ናይ


ምስትውዓል ዓቕሚ ነይሩዎም ክበሃል ይከኣል። ኣብ ክልቲU ፖለቲካዊ ደንበታት ዝነበሩ
መራሕቲ፡ Eቲ Eርቂ ንምንታይ ከምዘድለየን፡ Eንታይ'ከ ከምዘስለጠን ብብስለት ተረዲOሞ
ነይሮም። ዝሰለጠ ወይ ዝተበጽሐ ምርድዳE ከምዝነበረን (Eዚ ኸኣ ዘሕጉስ ሙዃኑ) ይፍለጡ
Eምበር፡ Eቲ ጸገማት ስምብራት ገዲፉ ከምዝነበረን፡ Eዚ ኸኣ ጥንቃቐ ዘድልዮ ምንባሩን
ዝርድU ዝነበሩ ይመስሉ። ንኣብነት Eቶም ናይ'ታ ሽEU ብሓዲሽ ሽም፡ ማለት ብሰልፊ
ዲሞክራሲ፡ ክትጽዋE ዝጀመረት ልፍንቲ ዋና-ጸሓፊ ኮይኖም ዝተመርጹ፡ ሸኽ Iብራሂም
ሱልጣን፡ ኣብ ጉባኤ ሰላም ሲነማ Iምፐሮ ኣብ ዘስምEዎ ቃል ከምዚ ዝስEብ በሉ፤

"Eቶም ብዛEባ ፖለቲካዊ Eድል ኤርትራ ነንበይኑ ብዝኾነ ሓሳብ ተፈላልዮም ዝነበሩ
ኣሕዋት፡ ሎሚ Eቲ ጥንታዊ ሕውነቶም ተመሊሱዎምሲ Eንደገና ክተሓቛቘፉ ብምርኣይ
ከመይ ዝበለ ደስታ ንልብና ይመልO ኣሎ፡፡

ግናኸ፡ Eቲ ብሰንኪ ንሓድሕድና ዘይምቅብባልን ዘይምስምማEን ዓሰርተ ዝኣክል ዓመት


በብወገንና Eተሰቈርናዮን ዝሓዘናዮን ሓዘንሲ፡ ሎሚ ኣብ ሓንቲ ቤት ብምEካብና ጥራይ
ከም ግመ ኣብ ቅድሚ ጸሓይ መኺኹን በኒኑን ዝጠፍE፣ ንሱ ኸኣ ከምU በኒኑ ድሮ
ጠፊU Eዩ Eናበልና Eንተንዛረብ፡ ከምዚ ዝበለ ቃልና ሓቀኛን ንጹሕን ኰይኑ ክርከብ
ኣይምተኻEለን። ግናኸ በቲ ሓደ ወገን Eንተተዓዘብናዮ ኸኣ፡ Eዚ ናይ ሎሚ ኣኼባና
ወይ ከኣ ጉባኤና፡ ኤርትራውያን ኩሎም ብሰላምን ብUውነትን ኪነብሩሉ ዘለዎም፡ ናይ
ኩላቶም ቤትን ሓዳርን ዝምስረተሉ ጉባኤ ከምዝዀነ ክንEመኖ ዝግበኣናን ዝከኣለናን
Eዩ።" (ኣለምሰገድ፣ ገጽ 522)

ብወገን Eቶም ሰልፊ ሕብረት ከኣ፡ ብገለ ሸነኻቱ ንናይ ሸኽ Iብራሂም ዝመሳሰል ኣረኣEያ
ተገሊጹ ነይሩ። ንኣብነት ናይ ሰልፊ ሕብረት ጸሓፊ ዝነበሩ ኣዝማች ዘርOም ክፍለ ከምዚ
ዝስEብ በሉ፤

"... Eቲ ኣብ ውሽጥና ተፈጢሩ ዝነበረ ምስሕሓብ ናይ ኣሕዋት ደቂ ሓደ ሃገር


ምስሕሓብ ስለዝኰነ፣ ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፡ ፍሬU ጸቢቑ፡ ናይ ኤርትራ መጻI
Eድል ብዝርI ጉዳይ Eነሆ ንኹልና ዝኣክል፡ ኣብ ሓደ ዓዲ፣ ኣብ ሓደ ዘውዲ ዝEርንብ
መደብ ፈጢሩልና ኣሎ።

... Eቲ መደብ ... ቅድሚ ኹሉ ካባና ካብ Eዞም ወገናት ዝጥይቖ 'Eንታይ ኮን


ይኸውን?' Eንተበልና፡ ነቲ ዝሓለፈ Eምኒ ኣንቢርና ኣብ ናይ ሃገርና ታሪኽ ሓዲሽ
ምEራፍ ምኽፋት ከምዝዀነ ንርዳE። Eምበኣርከስ ኣቕዲምና ኣሕዋት Iና'ሞ Eቲ
ሕውነትና ሎሚ Eውን ንሐድሶ።" (ኣለምሰገድ ገጽ 524)

ክልቲU ወገናት Eምበኣር ንመጻI Eድል ኤርትራ፡ ማለት ንዝምድና ኤርትራን Iትዮጵያን፡
ብዝርI ኣብ ናይ ሓባር ስምምE፡ ናይ ሓባር መደብ፡ በጺሑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ነዚ መደብ'ዝን፡
ነቲ ኩነቱ ወይ መሰረቱ ዝዀነ ሕውነትን ንኸደልድል Eውን ተመባጸA።

ኣብ'ቲ ጉባኤ Eተን ዝተፈላለያ ሰልፍታት፡ ኣብ ዙርያ ናይ'ዚ ኣብ ላEሊ ዝተገለጸ መንፈስን
ባህግን ድሕሪ ምምይያጥ፡ ንጭቡጥ Eማም ሃገራዊ ሓድነትን ድሕነትን ምEባለን ኤርትራ
ብዝርI ኣብ ናይ ሓባር ስምምE በጺሐን፡ ኣዋጀን ገለጻ። ኣብ'ቲ ኣዋጅ ካብ'ቲ ዘስፈረO ቀንዲ
ነጥብታት ገለ Eዘን ዝስEባ ነይረን፡፡

- 31 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

1) Eተን ዝተፈላለያ ሰልፍታት ነቲ ብሕ-መንግስታት ዝተወሰነ ፈደራሲዮን ብትሕዝቶUን


መንፈሱን ኣብ ግብሪ ከምዝውEል ክገብራ፣

2) ኣብ መስርሕ ምትካል መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ኮሚሽነር ሕ-መንግስታት "ብምሉUን


ብሓቅን" ክተሓባበራ፣

3) ብሓፈሻU ከኣ "ሙሉE ሓይልን ክEለትን ናይ ኩሎም ኤርትራውያን ሓቢሩን


ተሰማሚUን፡ ብዝሓጸረ ጊዜ ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ልምዓትን Eብየትን" ንኽጋደል መታን
Eቲ ዘድሊ ንኽገብራ።

ምስ ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ይኹን ምስ ጉባኤ ሰላም ሲነማ Iምፐሮ ብዝተሓሓዘ ሓደ


ክነስተብህለሉ ዘለና ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ። ንሱ ኸኣ Eዚ Eዩ። ኣብ'ቲ ጊዜ Eቲ ዝነበረ ኣፈላላይ
መርገጽን ፖለቲካዊ ቃልስን፡ ንሃገርናን ንህዝብናን ዝሐሾ Eዚ'ዩባ Eዚ ካብ ዝብል Eምንቶታት
ዝነቐለ Eዩ ነይሩ። ናይ ስልጣን ህርፋን ዘጥቀOም ውልቀ ሰባት፡ ንፖለቲካዊ መርገጻት ምኽኒት
ወይ መሸፈኒ ብምግባር፡ ንስልጣን ክጓየዩ ኣይተራEዩን። ድሕሪ ምብታን ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስን
ድሕሪ Eቲ ዝሰዓበ ውድድራትን ህልኻትን፡ ጉባኤ ሰላም ክግበር ዝተኻEለ ህርፋነ-ስልጣን
ዘለዎም ሰባት ነቲ ናይ ሽU ሃዋህው ስለዘይወነንዎ Iዩ።

Eቲ "ፈደረሽን" ዝተባህለ ፍታሕ Eምበኣር፡ ብውሽጣዊ ጉይትነትን ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን


ዝተሰነየ ብምንባሩ፡ መሰረት ሓድነት ኤርትራ፣ መሰረት ናይ'ቲ ኣብ መስርሕ ምEባሌ ዝነበረ
ጂOግራፊያዊ ቅቡልነት ኤርትራ Iዩ ነይሩ።

ከምEንፈልጦ፡ ብሰበብ ፖሊሲ መንግስቲ ሃጸይ ሃይለስላሴን ኤርትራውያን ተሓባበርቱን፡ Eቲ


ፈደራላዊ ዝምድና Eናተበለለ፣ ውሽጣዊ ጉይትነት ኤርትራ ኸኣ Eናተቘርመመ ከይዱ ኣብ
መወዳEታU ኩሉ-ኹሉ ከምዝፈርስ ተገይሩ። ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኸኣ ተኣትወ።

ብሰንኪ ምፍራስ ፈደረሽን Eምበኣር፡ Eቲ ኣብ ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ተበጊሱ፡ ብመጠኑ’ውን ኣብ


ጉባኤ ሰላም ሲነማ Iምፐሮ መሰረት ተገይሩሉ ዝነበረ፣ ጂOግራፊያዊ ቅቡልነት ኤርትራ
ከይተማልA ተረፈ። ስለ’ዚ ኸኣ ናይ ምምልU ጉዳይ ገና ኣብ ቅድሚ ኤርትራውያን
ተንጠልጢሉ ዘሎ ውንዙፍ Eማም ኮይኑ ቀጸለ።

Eዚ ኣብ ልEሊ ሃገርና ዝተኻየደ ግፍI ብቐዳምነት ነቲ ብቐደሙ’ውን ሕብረት ምስ Iትዮጵያ


ምርጭU ዘይነበረ፡ ንውሽጣዊ ጐይትነትን፡ ነቲ ጽላሉ ዝነበረ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን
ብምትEምማን ጥራይ፡ ንፈደራላዊ ዝምድና ምስ Iትዮጵያ ተቐቢሉ ዝነበረ ሸነኽ ህዝብና፡
ብኣጋU ቈስቈሶን ኣቖጥOን፡፡ ዝዓበየ ክፋል ናይ’ዚ ወገን”ዚ ካብ’ቲ ኣብ ቆላታት ኤርትራ
ዝነብር ኣስላማዊ ኣካል ሕብረተ-ሰብና Iዩ ዝነበረ፡፡ ብረታዊ ገድሊ ኤርትራ ኣብ መፈለምታ
ስሳታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን ክጅመር Eንከሎ Eምበኣር፡ ቦታ Eርዱን ምንቅስቓሱን
ምEራባዊ ዞናታት ሃገርና፡ መብዛሕትU ተሳታፊ ኸኣ ካብ’ቲ ኣስላማዊ ክፍሊ ሕብረተ-ሰብና
ምንባሩ ዘገርም ኣይኰነን፡፡

ኣብ’ቲ ኵነት’ቲ ዝተበገሰ ሰውራና፡ ማEቢሉ መንፈስ ጂዮግራፍያዊ ቅቡልነት ዘንጸባርቕ


መልክEን ኣካይዳን ንኸጥሪ መታን፡ ብብርቱE ሓጐጽጐጽ ክሓልፍ ታሪኻዊ ግድነት Iዩ
ነይሩ፡፡ ባህርያት ናይ’ቲ ዘይቅሱን ኩነታት ከኣ ብቐንዱ ምፍሕፋሕ ናይ’ቲ ኣብ ሕብረተሰብና
ዘሎ ድሑር ዝንባሌታት ዝዓብለሎ’ዩ ዝነበረ፡፡ ኣብ ሓደ መድረኽ’ውን ሓይልታት ብረታዊ
ተጋድሎ፡ ብቦታውን ማሕበረ-ሰባውን ኣከፋፍላ ሃገርና፡ ኣብ 5 ክፍልታት ተመቓቒሉ
ተንቀሳቒሱ’ዩ፡፡

ብንቕሓት ክብ ዝበሉ ሃገራውያን፡ ነቲ ንሰውራ ዘጋጥሞ፡ ሓሓሊፉ’ውን ጽንኩርን ሓደገኛን፡


ዝነበረ ጸገማት፡ ከከም ኩነታቱ፡ ብሜላን ጽንዓትን ገጠሙዎ፡፡ Eቲ ገድሊ ካብ ብሄረ-ሰባዊ
ጽበት ወጺU፡ ዘተኣማምን ሃገራውነት ንኽለብስ መታን ዘይሕለል ቃልሲ ኣካየዱ፡፡ ዘካየዱዎ
ቃልሲ ብዘይ ፍረ ኣይተረፈን፡፡ ካብ ኣጋ መወዳEታ ናይ 60ታት፡ ብፍላይ ካብ 1968 ጀሚሩ፡

- 32 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ንሓይልታት ሰውራ ብሙሉU ንምስማር፡ ጽገናዊ ምንቅስቓሳት ብኣድማEነት ተበጊሱ፡ ኣገዳሲ


ኣሳልጦታት ኣመዝገበ፡፡ ጉባኤ ዓንሰባ (1968) ን3 ክፍልታት ኣሕበረ፡፡ ቀጺሉ ከኣ ጉባኤ
ኣዶብሓ (1969) ንኹለን ክፍልታት ኣስሚሩ፣ ንብሙሉU ሰራዊት ዝEዝዝ መሰጋገሪ ጠቕላሊ
መሪሕነት ኣቝሙ፣ ሃገራዊ ጉባኤ ንኽካየድ ወሲኑ፣ ነዚ ጉባኤ’ዚ Eተዳሉ ሽማግለ መዘዘ፡፡

Eቲ ብመሰረት ውሳኔ ኣዶብሓ፡ ብ1971 ዝተኻየደ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ፡ ኣብ ኩሉ ብሄረ-


ሰባትን ዞባታትን ኤርትራ ዝነበሩ ደገፍቲ ሰውራ ተወኪሎም ዝተሳተፉሉ’ዩ ዝነበረ፡፡ በቲ
Eዋን’ቲ Eምበኣር፡ ዋላ’ኳ ከቢድ ጸገማትን ሕጽረታትን Eንተነበሮ፡ ሰውራ ኤርትራ ኣፋፍኖት
ጂዮግራፍያዊ ቅቡልነት ዘንጸባርቕ ሃገራዊ ምልኣት ንኸማEብል መንገዲ ዝኸፍት ኣሳልጦታት
ኣመዝጊቡ ነይሩ’ዩ፡፡ ሓደ ካብ’ቲ ዝዓበየ ኣሳልጦታት ከኣ፡ ምEዋጅ ናይ’ቲ ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ፡
ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝጸደቐ መሪሕ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ነበረ፡፡

ምEዋጅ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ክስተት ሓዲሽ መድረኽ ዘበስር፡ መሰረታዊ ትርጉም ዝሓዘለ
ኣሳልጦ ነበረ፡፡ Eቲ ጉባኤ፡ ድሕሪ ምፍራስ ፈደረሽንን ምብታን ባይቶ ኤርትራን (1962)፡ ኣብ
ትሕቲ ጽንኩር ኩነታት፡ ህዝብና ብሓባራዊ መልክE Eድሉ ዝወሰነሉ ፖለቲካዊ መስርሕ ነበረ፡፡
ኣብ ሕቶ ኣትዩ ዝነበረ ፍሉይነት ሃገረ-ኤርትራ ዝደሓነሉ፤ ሕጋዊ ቀጻልነት ናይ’ቲ ዝፈረሰ
ውሽጣዊ ጉይትነት ዝተረጋገጸሉ ታሪኻዊ ተረኽቦ’ዩ ዝነበረ፡፡ ካብ ድልዱል ሕጋዊ ባይታ
ብምብጋስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝተጋህሰ ናይ ርEሰ-ውሳኔ መሰሉ ተቓሊሱ መታን ከAውቶ ከኣ፡
ነቲ ክሳብ ሽEU ክካየድ ዝጸንሐ ተጋድሎ፡ ሕጋውነትን ህዝባውነትን ኣልበሶ፡፡ Eላዊ
ምውልብላብ ናይ’ታ ምልኣት ሃገርና Eትውክል፤ ህዝብና ዘጽደቓ ባንዴራ፡ ንሕጋውነትን
ህዝባውነትን ተጋድሎና ድምቀትን ግርማን ሃቦ፡፡

Eንተኾነ ግን፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ፡ ነዚ ኣወንታውን ኣተስፋውን ምEባለ’ዚ ዝብድህ ተርEዮ


ተቐልቂሉ ነበረ፡፡ ንሱ ኸኣ፡ Eቲ Eቶም ወገናውን ሃይማኖታውን መልክE ዘለዎ ኣዋጃት
ብምውጻE፣ ተኸታቲሎም ካብ ተ. ሓ. ኤ. Eተፈንጨሉ ጉጅለታት ዝወሰድዎ፡ ስጉምቲ Iዩ፡፡
ተ. ሓ. ኤ. ኣብ ኩሉ ፡ማለት ኣብ ምEራባውን ምብራቓውን ደምበታት፡ ብጥርጠራ ንኽትጥመት
ተባሂሉ ዝተማህዘ፣ ኣብ ሓቅነት ስለ ዘይተመርኰሰ ግን፡ ንሓድሕዱ ዝገራጮ መናፍሓትን
ጥርዓናትን በቶም ጉጅለታት ተዋፈረ፡፡ ገሊOም ካብቶም ጉጅለታት ን ተ. ሓ. ኤ.
ብኮሙኒስትነትን ብጸረ-ምስልምናን Eናኸሰሱ፣ ገሊOም ከኣ ኣብ’ቲ ናይ ሓጐጽጐጽ መድረኻት
ንዝተራEየ፡ ንገሊUስ ንሳቶም Eንኰላይ ዝሕተቱሉ፡ ዘሕዝን ተረኽቦታት Eናጠምዘዙን
Eናመዝመዙን፡ ኣብ ናይ ምፍንጫል መስመሮም ተጓEዙ፡፡ ሎሚ ንድሕሪት ተመሊስካ
ክግምገም Eንከሎ፡ Eዚ ስጉምት’ዚ የዋህ ኣይነበረን፡፡ የግዳስ፡ ኣዚዩ ዝተሓስበሉ፡ ናይ’ቶም
ጉጅለታት ፡ብፍላይ Eኳ ናይ’ቲ ብIሳያስ ኣፍወርቂ Eተመስረተን ገና ዝምራሕ ዘሎን ጉጅለ፡
ስልጣን ኣብ ምብሓት ዘተኰረ ርሑቕ መደብ፡ ፈለማ ደረጃ’ዩ ዝነበረ፡፡

ጉEዞ ናይ’ቶም ዝተፈንጨሉ ጉጅለታት፡ ከይዱ-ኸይዱ፡ ብሙቛም ውድብ ህዝባዊ ግንባር


ተዛዘመ፡፡ Eዚ ውድብ’ዚ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ተዋሳI ጥራይ ዘይኰነ፡ ሓያል ተቓናቓኒ ተ. ሓ.
ኤ. ናብ ሙዃን ዓበየ፡፡

ኣብ'ቲ ካብ'ቲ Eዋን'ቲ ዝቐጸለ ጉEዞ ነጻነታዊ ገድሊ፡ ህ-ግንባር ፈላላዪ ዝዀነ መደብ ተኸቲሉ፡
ንሓድነትን ጂOግራፊያዊ ቅቡልነትን ኤርትራ መመሊሱ ኣብ ሓደጋ የEትዎ ነይሩ'ዩ። Eቲ
ብ1980-81 ብህዝባዊ ግንባር ዝተኻየደ፡ ነዚ ሓደጋ'ዚ ዝሓዘለ ጽUቕ ወተሃደራውን ፖለቲካውን
መደብ Eሞ ኸኣ፡ ክሳብ ሕጂ ዘይተፈወሰ ሳEቤናት('ዩ) ገዲፉልና ዘሎ፡፡ በቲ Eዋን'ቲ ህ. ግንባር
ምስ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ (ህ.ወ.ሓ.ት) ብምሽራኽ፡ ኣንጻር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
ውግE ኣካዪዱ ንመብዛሕትU ሸነኽ ብረታዊ ቃልስና ወነኖ፡፡ ከም'ዚ ብምግባር ህ. ግንባር ካብ
ሃገራዊ ኤርትራዊ ውድብ ንትግራዋይ-Iትዮጵያዊ ኣካል ዝመርጽን ዘቕርብን ኰይኑ ተራEየ፡፡
Eዚ ከም ምልክት ናይ መንነታዊ ምርጫ ህ. ግንባር ዝተተርጎመ ተግባር’ዚ፡ ንገሊU ፖለቲካዊ
ሓይልታትናን ሸነኻት ሕ. ሰብናን፡ ብመሰረት ወገንን ሃይማኖትን ንኽንቀሳቐስ ደፋፍO'ሞ፡
ጂዮግራፍያዊ ቅቡልነት ኤርትራ ኣመና ተበድሀን ዓበረን፡፡

ምስ'ዚ ብዝተተሓሓዘ ከነስምረሉ Eንደሊ ሓደ ነጥቢ ኣሎ፡፡ በቲ ብ1980-81 ብግንባርን ወያኔን


ኣብ ልEሊ ተ.ሓ.ኤ. ዝተፈጸመ ዓመጽ፡ ብመሰረቱ ዝሕተት መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር Iዩ፡፡

- 33 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

Eዚ መሪሕነት'ዚ ፡ከም ኤርትራዊ ኣካል መጠን፡ በቲ ምEንቲ ብሕታዊ ጥቕሙ ክብል፡ ምስ


ህ.ወ.ሐ.ት. ኣብ ዘይቅዱስ ቃል-ኪዳን ኣትዩ ክሳብ ብደረጃ ሕ-ሰብ ኤርትራ ዘውረዶ ዓሚቝ
ቁስሊ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝብን ታሪኽን ተኸሳሲ Iዩ፡፡ ምሕካም ሳEቤናት Eዚ ቁስል'ዚ ድማ ሓደ
ካብቶ'ም ንሃገራዊ ዋEላ ኤርትራውያን ዝጽበይዎ ዘለዉ ኣገደስቲ Eማማት Iዩ፡

ብረታዊ ቃልስና ብዝተሓላለኸ መስርሕ ሓሊፉ፡ ኣብ መወዳEታU ብዓብላልነት ጥራይ


ዘይኮነስ፡ ብገባትነት ህ-ግንባር፡ ነጻነት ተባሂሉ ዝዝረበሉ ምፍላይ ኤርትራ ካብ Iትዮጵያ
ተረጋገጸ። ድሕር'ዚ ነጻነት'ዚ Eውን Eንተዀነ፡ መንግስቲ ህ. ግንባር ነቲ ፈላላዪ ኣካይዳU
መሊሱ ደኣ ኣግደዶ። ንኹሉ ፖለቲካዊ ኣካላትን ካልE ኣገደስቲ ማሕበራዊ ጉጅለታትን ዘሳትፍ
መስርሕ ከፊቱ፡ ሓድነትን ሰላምን ጥጥሐን ኤርትራ ከረጋግጽ ንዝተገብረሉ Eድመን ጥርዓንን
ነጸጎ፡፡ መንግስታዊ ሓይሊ ንበይኑ ገቢቱ ሓዘ፣ ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ኰይኑ፡ ኤርትራ
ብመሰረት ወገንን ብሄረ-ሰብነትን ሃይማኖትን ኣብ ዘይEግበትን ናይ ምፍልላይ ስምIትን
ንኽትውሓጥ ገበረ።

ኣብ'ዚ ኩነታት'ዚ Eምበኣር፡ Eቲ ተቓዋሚ ኣካላት ህዝቢ ኤርትራ፡ መስርሕ ሃገራዊ ዋEላ
ንኽካየድ ኣስተዋጽUU ከበርክት ታሪኻዊ ተራUን ሓላፍነቱን Iዩ፡፡

- 34 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

7. ሃገራዊ ዋEላ ኤርትራውያን ኣብ ህሉው መድረኽ


ኣብ'ዚ መድረኽ'ዚ ሃገራዊ ዋEላ ንምንታይ የድልየና? Eቲ ሕጂ ንሃገራዊ ዋEላ ኣድላዪ ዝገብር
Eላማታትን ባህግታትን፡ ካብ'ቲ ንዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ደሪኹ ዝነበረ Eላማታትን ባህግታትን
ዘይፍለ Eዩ Eንተተባህለ ምግናን ኣይኰነን። ብኻልE ኣዘራርባ፡ ቀንዲ ካብ'ቲ Eላማታት ናይ'ዚ
መድረኽ'ዚ ሃገራዊ ዋEላ፡ Eቲ ሽUU ተጀሚሩ ከይተማልA ዝተረፈ ጉዳይ ጂዮግራፍያዊ
ቅቡልነት፡ ማለት ሓድነት መሬትን ህዝብን ናይ ምርግጋጽ Eማም፡ ንኽማላE ምግባር Eዩ ።

ሃገርና ኤርትራ ከምቲ ብዘበን ምምሕዳር Eንግሊዝ ዝነበረቶ፡ ሎሚ Eውን ሓድነት መሬታን
ህዝባን ንሓደጋ ተሳጢሑ ይርከብ። ነዚ ሓደጋ'ዚ ንምEላይ Eሞ መሰረት ጂOግራፊያዊ
ቅቡልነት ንምትካል፡ ኣድላዪ ዝዀነ ሮቛሒታት ንምምላE ሃገራዊ ዋEላ የድሊ።

ሃገራዊ ዋEላ Eምበኣር፡ ብቐዳምነት ኤርትራ ሓድነታ ኣብ ጽኑE Eምነ-መሰረት ዝተተኽለ ሃገር
ንኽትከውን ዘኽEል መስርሕ Iዩ፡፡ ኩሎም ብሄረ-ሰባታን ካልE ኣገደስቲ ሕ-ሰብኣዊ
ጉጅለታታን፡ ነዛ ብተጽEኖ ሓይሊ-ወጻI ተኣኻኺብና ዘቖምናያ ኤርትራ፡ ሃገርና Iልና ነርግኣ
ኣሎና፣ ነንሕድሕድና ከኣ ከም ኣሓት ብሄረ-ሰባትን ሕ-ሰብኣዊ ጉጅለታትን ንፈላለጥን
ንቀባበልን ኣሎና፡ ብማለት ቃል-ኪዳን ዝኣትውሉ መደብ Iዩ። ምEማን መሰላትን ፍሉይነትን
ናይ ነፍስ-ወከፍ ማሕበረ-ሰብ ወይ ጉጅለ ሕ-ሰብ ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ቀንዲ መሰረታት
ናይ'ዚ ቃል-ኪዳን'ዚ Iያ፡፡

ኩሎም Eቶም ንኤርትራ ዘቑሙዋ ብሄረ-ሰባትን ሕ-ሰብኣዊ ጉጅለታትን፡ Eዛ ሃገር'ዚኣ ሃገርና


Iያ Iሎም ንኽተኣማመኑ ግን ዋሕስነት የድልዮም። Eቲ ዋሕስነት ከኣ ሕጂ Eውን ንባህርያት
ናይ'ቲ ነታ ሃገር ዘካይድ ስርዓት ዝምልከት ሮቛሒ Iዩ። Eዚ ማለት ብሓጺሩ፡ ናይ'ቲ ኹሉ
ብሄረ-ሰባትን ሕ-ሰብኣዊ ጉጅለታትን ማEርነት ዝሕሉን ንዲሞክራሲያዊ መሰላት ከኣ ዝከላኸልን
ዝድግፍን ስርዓት የድልያ ማለት'ዩ። ብጭቡጥ ኣዘራርባ፡ ኩሎም ብሄረ-ሰባዊ ኣካላትን ሕ-
ሰብኣዊ ጉጅለታትን ብሓባራዊ ስምምE ይርሓሰና ዝበሉዎን፡ ብነጻ ድልየቶም ዘጽደቑዎ ሕገ-
መንግስቶም ዘውሕሶን፡ ብዝሐ-ሰልፋዊ ዲሞክራሲን ግዝኣተ-ሕግን ዝመለለዪU ስርዓት
የድልያ።

ምስ ባህርያት ናይ'ዚ ስርዓት'ዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ብኣገዳሲ መጠን Eውን ከምውጽIቱ፡ ኤርትራ


ሰላምን ጥጥሐን የድልያ። ሰላምን ጥጥሐን ካኣ ባህርያት Eቲ ስርዓት ብዝወልዶ ውሽጣዊ
Eግበትን ቅሳነትን ጥራይ ከይኮነ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብዝህልዋ ሃናጺ ዝምድናታት Eውን
ይረጋገጽ።

ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ፡ብፍላይ ምስ Iትዮጵያን ሱዳንን፡ Eንታይ ዝምድና ይሃልዋ ዝብል


ሕቶ ብ40ታት Eንተዀነ Eውን ምስ'ቲ ንጂOግራፊያዊ ቅቡልነታ ዝርI ሕቶ ዝተዛማደ Iዩ
ነይሩ። ገለ ፍልልያት Eውን ነይሩ Aዩ ክበሃል ይከኣል።

Eቲ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣብ ዘሎናዮ መድረኽ ግን፡ ኤርትራ ትርጉም ዘለዋ ሃገር ንኽትከውን፡ ምስ
ጐረባብቲ ሃገራት ሕውነታዊን ናይ ምትሕብባርን ዝምድና ብመሰረቱ የድልያ Iዩ ዝብል Iዩ።
Eምበኣር ሓደ ካብ'ቲ ቀንዲ ሽቶታት ሃገራዊ ዋEላና፡ ኤርትራ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ከምዚ
ዝኣመሰለ ዝምድና ክህልዋ ኣለዎ ንዝብል መትከላዊ Eምንቶ ከምዝጽቀጠሉ ምግባር Iዩ።
ብኻልE ኣዘራርባ፡ ወከልቲ ዝተፋላለያ ብሄረ-ሰባትናን ሕ-ሰብኣዊ ጉጅለታትናን፡ ፖለቲካዊ
ውድባትናን ምንቅስቓሳትናን፡ በቲ ብሰንኪ ጂዮፖለቲካዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ውሁብን ክስገር
ዘይከኣልን ዝኾነ ውድዓውነት ተመሪሖም፡ ኣብ ናይ ሓባር ተረድO ድሕሪ ምብጻሕ፡ ኤርትራ
ምስ ኣብ ቀረባን ርሑቕን ዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራት ንዝህልዋ ዝምድና ዝገዝE መትከላት
ብስምምE ወሲኖም ይEውጁ፡፡

- 35 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

7. 1. ዋEላ መዓስ?

ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ፡ ዋEላ መዓስ ወይ ከኣ ኣበየናይ ኩነትን ግዜን ክካየድ ኣለዎ ወይ
ክካየድ ይኽEል፡ ብዛEባ ዝብል ሕቶ ኣብ ዝሓለፈ Eዋናት ፍልልያት ከምዝነበረ ዝዝከር'ዩ። ገለ
ገሊU ርEይቶ፡ ዋEላ ዝግበር Eንተድኣ ኰይኑ ድሕሪ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት Iዩ
ዝኸውን ክብል ከሎ፣ ገሊU ከኣ ሕጂ ፡ማለት ነዚ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውዳቕ ቃልሲ
Eናተኻየደ ከሎ Eውን፡ Eቲ ክግበር ዝከኣል ዋEላ ፡ወይ’ውን ሓውሲ ዋEላ፡ ይገበር፣ Eኳ ድኣ፡
ከምዚ ዝበለ ዋEላ ነቲ ጸረ-ህግደፋዊ ዲክታተርነት ቃልሲ ዝሕግዝ'ዩ ዝብል Iዩ።

Eዚ ሕጂ’ውን ዋEላ ይካየድ ዝብል ርEይቶ ንድሕሪ ውድቀት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝምልከት
ነጥቢ Eውን ኣለዎ። በዚ ኣረኣEያ'ዚ፡ ሃገራዊ ዋEላ፡ ከከም ኣድላይነቱ፡ ድሕሪ ገለ ጊዜያት
መመሊስካ ብቐጻልነት ክካየድ ዝኽEል Eዩ። ኣብ'ዚ Eዋን'ዚ ኣድላዪ ንዝዀነ ጉዳይ
ብዝምልከት፣ ብዘሎ ዓቕምን ኣብ ከሲቱ ዘሎ ውድዓዊ ኩነታትን፡ ሕጂ ብዝከኣል መንገዲ
መጀመርያ ክፋል ናይ ሃገራዊ ዋEላ ይካየድ። መሰረታዊ ለውጢ ምስተመዝገበ ኸኣ፡ ሽUU
ብዝህሉ ተኽEሎ፡ ቀንዲ ጉዳያት ንምስላጥን፡ ኣብቲ Eዋን’ቲ ንዝቕልቀሉ ኣገዳሲ Eማማት
ንምምላEን ዘገልግል ዋEላ ክካየድ ይኽEል።

ንኣብነት ንናይ መድረኽ ጉዳያትና ብዝርI፡ Eቲ ተቓዋሚ ሓይልታትን ሕ-ሰብኣዊ ሰዓቢUን


ቅድሚ ምውዳቕ ዲክታቶር ዋEላ ክገብር ይኽEል። መሰረታዊ ለውጢ ድሕሪ ምምዝጋቡ፡
ማለት Eቲ ዘሎ ስርዓት ምስተኣልየ፡ ከኣ ዝሰፍሐ ወይ ዝዓበየ ምልኣት ዘለዎ ዋEላ የድሊ። Eዚ
ዝበሃለሉ ምኽንያት፡ Eቲ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽርን ጽልዋን ህግደፍ ዘሎ ሸነኽ ህዝብና Eውን፡
ነቲ መሰረታዊ Eላማታትን ነቲ ዝቐውም ስርዓትን ኣብ ናይ ምጽዳቕ መስርሕ ክሳተፍ ስለዘለዎ
Eዩ። Eቲ ሕጂ ብሓይልታት ተቓወምትን ሰዓብቶምን ስምምE ዝተበጽሓሉ ስርዓትን ፖሊስን፡
ብቑEን ህዝባውን ተባሂሉ ብንጽህና Eንተተኣመነሉ Eውን፡ Eቲ ኣብ መጀመርያ ተሳታፊ
ዘይነበረ ሸነኽ ህዝብና ከጽድቖ፣ ክጸልዎ፣ ምምሕያሽ ዝኸውን ሓሳባት Eውን ከቕርበሉ ኣድላዪ
Iዩ። ብኸምዚ ገይሩ ከጽድቖ ከሎ Eዩ ናቱ ኰይኑ ዝስምOን፣ ስለ'ዚ ኸኣ ዘኽብሮን ዝምEዘዞን።

ፖለቲካዊ ቻርተር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ Eዚ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ወዲቑ


ጊዜያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስተተኽለ፡ ሃገራዊ ዋEላ ወይ ከኣ "ዋEላ ሃገራዊ ስኒት"፡
ከምዝግበር ኣብ ዓንቀጽ 3 ካልኣይ ንUስ-ዓንቀጽ ወይ ንUስ-ክፍሊ ኣሚቱ ኣሎ። Eኳ ደኣ፡
ሓደ ካብ'ቲ Eማማት ጊዜያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ "ዋEላ ሃገራዊ ስኒት ንምግባር ምEያይ" Eዩ።

ነዚ ዓንቀጽ'ዚ፡ ቅድሚ ሙቛም መሰጋገሪ መንግስቲ ዝግበር ዋEላ የልቦን ማለት'ዩ Iሎም
ዝትርጉምዎ ተቓወምቲ ኣካላት ኣለዉ። ብናትና ኣረኣEያ ግን፡ Eዚ ዝተጠቕሰ ኣብ ቻርተር
ሰፊኑ ዘሎ ዓንቀጽ፡ Eቲ ጊዜያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ነቲ ብድሕሪ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ
ስርዓት ክማላE ዘለዎ Eማማት ብዝርI ጉዳያት "ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ንጽፍሕታት
ሕብረተሰብን ኤርትራ ዝውክሉ ክፍልታትን" ዘዋስE ዋEላ ከምዝካየድ ይገብር ንዝብል ነጥቢ
ጥራይ'ዩ ዝEምት። ብኻልE ኣዘራርባ፡ ኣብቲ Eዋን'ቲ ናይ ግድን ሰፊሕ፡ ማለት Eንኮላይ ነቶም
ኣብ ውሽጢ ዓዲ፡ ኣብ ትሕቲ ክቱር ጭቆና ህግደፍ ዝነበሩ ዝሕውስ፡ ዝዓበየ ሃገራዊ ዋEላ
ክካየድ ኣለዎ ማለት'ዩ። ብዛEባ Eቲ ቅድሚ ምውዳቕ ዲክታተር ክግበር ዝኽEል ቀዳማይ
ክፋል ዋEላ ወይ ንUስ ዋEላ ግን፡ Eቲ ቻርተር ዝበሎ ነገር የለን። ስለ'ዚ Eምበኣር፡ Eቲ ወሳኒ
ሕቶ ቅድሚ ምውዳቕ ዲክታተር፡ ሃገራዊ ዋEላ ወይ ንሃገራዊ ዋEላ ዝመሳሰል መስርሕ ኣድላዪ
ዲዩ ወይስ ኣይኰነን ዝብል'ዩ።

ነዚ ሕቶ'ዚ ብዝርI ናይ ሓሳብ ፍልልያት ክህሉ ይኽEል። ንዓና ከምዝመስለና ግን ኣብ'ዚ


Eዋን'ዚ Eውን ብዛEባ ዝተፈላለዩ መሰረታዊ ጉዳያት ሓባራዊ ስምምE ክህሉ ኣድላዪ Eዩ፤ Eዚ
ሓባራዊ ስምምE'ዚ ኸኣ ብመስርሕ ሃገራዊ ዋEላ ይረጋገጽ፡፡ ብተወሳኺ Eውን Eዚ ዋEላዚ፡ ነቲ
ድሕሪ ውድቀት ዲክታተርነት ዝግበር ዓቢ ዋEላ መንጸፉን ሓጋዚUን Eዩ።

ንፖለቲካዊ ጸገማት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘጽንU ምሁራን ካብ ዘመዝገብዎ ትEዝብትታት ሓደ፡ ነቲ


ኣፍሪቃውያን ፖለቲከኛታት፡ ቅድሚ ነጻነት ምርካቦም ዘርኣዩዎ ጉድለት ዝምልከት Iዩ። Eቲ
ጉድለት ከኣ ኣብ'ቲ ሃገር ክትከል ብዛEባ ዘለዎ ስርዓትን፡ Eተን ዝተፈላለያ ብሄረ-ሰባት ከኣ

- 36 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ብEግበት ደቂ Eቲ ሃገር ሙዃነን ዝቕበላሉን ዘረጋግጻሉን ናይ ስምምEን ዋሕስነትን መስርሕ


ዘይምክያዶም Eዩ። Eቲ መስርሕ'ቲ ከኣ ሃገራዊ ዋEላ ወይ ንUU ዝመሳሰል Eዩ ክኸውን
ዝኽEል ዝነበረ።

ንኤርትራውያን ብዝርI Eውን፡ Eዚ ነጥቢ'ዚ ሐቅነት ኣለዎ። ኣቦታትና ንዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ


ዝተዋፈሩሉ Eኮ፡ ቅድሚ ነጻነት ወይ ሕብረት ኤርትራውያን ክንሰማማE ኣሎና ብዝብል ሕልና
Eዩ ዝነበረ። Eቲ ዝተባህገ ስምምE ግን ኣይተረጋገጸን፡፡ ስለዘይተረጋገጸ ኸኣ ክንደይ ጸገም
ስIቡ Eነሆ።

ሕጂ'ውን Eምበኣር፡ ኣቕዲምና ኣብ መሰረታዊ መትከላትን ፖሊሲን ሓባራዊ ስምምE


ምርግጋጽ፤ ኤርትራዊ መንነት ብሄረ-ሰባትና ምጽዳቕን ምሕዳስን፡ ኣድላዪን ሓጋዝን Eዩ። Eዚ
ኸኣ ብናይ ሃገራዊ ዋEላ መስርሕ ወይ መስርሓት Iዩ ዝሰልጥ።

ኣብ'ዚ ብንጹር ክልለ ዘለዎ ሓደ ነጥቢ ኣሎ። ቅድሚ ምውዳቕ ዲክታተርነት መስርሓት ሃገራዊ
ዋEላ ምክያድ፡ ነቲ ኣብ ቻርተር ኪዳን ወፊሩ ዘሎ ብጊዜያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሃገራዊ ዋEላ
ይካየድ ዝብል ነጥቢ ኣይጻረሮን Iዩ፡፡ Eኳ ደኣ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ Eቲ ሕጂ
ዝካየድ ዋEላ፡ ነቲ ደሓር ዝካየድ ዝሰፍሐ ዋEላ መንገዲ ዝጸርገሉን Eማማት ዘቕልለሉን Eዩ።

ብተወሳኺ Eውን፡ ንዋሕስነት ዝርI ምስዚ ዝተተሓሓዘ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ፡፡ ቅድሚ ምውዳቕ
መንግስቲ ህግዲፍ ዝግበር ሃገራዊ ዋEላ፡ ድሕሪ ምውዳቕ ህግዲፍ ዲሞክራስያዊ ስርዓት
ንኽትከል ዘሎ Eድል ንኽዓቢ ኣስተዋጽO ክገብር ይኽEል Iዩ፡፡ መራሕቲ ኤርትራዊ
ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንስርዓት Iሳያስ ኣውዲቖም ጊዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ምስተኸሉ፡
ስልጣን ክምቅሮም ይኽEል Iዩ፡፡ ገለ ምስምሳት ብምሃብ ንብዝሐ-ሰልፋዊ ዲሞክራስያዊ መረጻ
ብቖጸራ Eናማሓላለፉ፡ ካብ ስልጣን ምውራድ ክኣብዩ ይኽEሉ Iዮም፡፡ ብኻልE ኣዘራርባ፡
ንሳቶም Eውን ምልካውያን ወይ ዲክታቶርስ ናብ ሙዃን ክምEብሉ ይኽEሉ ይኾኑ፡፡ Eዚ
ሓደጋ‘ዚ ንኸይመጽE Eምበኣር ቅድሚ ምውዳቕ መንግስቲ Iሳያስ ዋEላ ተገይሩ፡ ሃገርና
ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትመሓደር ሙዃና ተኣዊጁ ናብ ህዝቢ ከምዝሰርጽ ክግበር ይግባE፡፡
Eዚ ምስዝፍጸም፡ Eቲ ጊዜያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ከም መብጽEU ናብ ዲሞክራሲ ናይ
ምስግጋር መስርሕ ንኽዋፈር መታን ህዝባዊ ምንቅስቓስን ተጽEኖን ምውዳብ ዝቐለለ
ይኸውን፡፡

7. 2. መንዮም ተሳተፍቲ ዋEላ?

ተሳተፍቲ ዋEላ ኣየኖት ኣካላት ሙዃኖም ብባህርያት Eላማ Eቲ ዋEላ Iዩ ዝውሰን። ኣቐዲሙ
ከምዝተገልጸ፡ Eላማ ሃገራዊ ዋEላ ኤርትራውያን በዚ ሎሚ ንሓድነት ሃገር ፡ስለ'ዚ ኸኣ
ንጂOግራፊያዊ ቅቡልነት፡ መሰረት ንምንባርን ንምድልዳልን፣ ካብU ዘይፍለ ኸኣ ንኹሉ
ብማEርነት ዘሳትፍ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንኽትከል ሓቀኛ ሓባራዊ ስምምE ምርግጋጽን Eዩ።

ኣብ ጉዳይ መስርሕ ዋEላ በኒን ከምዝርኣናዮ፡ Eቶም ተሳተፍቲ መትንታት ወይ ሓይልታት


ህይወት ሃገር ተባሂሎም ዝጽውU ኣካላት Eዮም፡፡ በዚ ሎሚ ፡ማለት ነዚ ናይ ሕጂ Eማም
ብዝርI፡ Eቶም መትንታት ወይ ሓይልታት ህይወት ኤርትራ መን'ዮም? በዚ Eዋን'ዚ
መትንታት ህይወት ኤርትራ ንብሎም Eቶም ኣብ ሓቀኛ ሓድነታ ዝኣምኑን፡ ንህላዌ
ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ግዝኣተ-ሕግን ብሓቂ ዝሕለቑን ፖለቲካዊን ካልOት ሕ-ሰብኣዊ
ጉጅለታትን Iዮም። ብዝርዝር፡ ኣብ'ዚ መድረኽ'ዚ Eቲ ሃገራዊ ዋEላ ብተሳታፍነት ወከልቲ
ናይዞም ዝስEቡ ሕ-ሰብኣዊ ጉጅለታት ይሰላሰል።

ሀ. ውድቀት መንግስቲ ህግደፍ ዝቕበሉ ውድባት

ነዚ ነጥቢ'ዚ ብዝምልከት ፖለቲካዊ ቻርተር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ኣዚዩ ሓጋዚ Eዩ።
ቀንዲ Eላማ ኪዳን፡ ከምቲ ኣብ 2ይ ዓንቀጽ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ን"ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ
ንምውዳቕን ኣብ ክንድU ኣብ ፖለቲካውን ሰልፋውን ብዙሕነት ዝተሰረተ ዲሞክራሲያዊ

- 37 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ስርዓት ንምትካል" Eዩ። Eቲ ብግዜያዊ መንግስቲ ንኽካየድ ጻEሪ ዝግበረሉ ሃገራዊ ዋEላ፡
ድሕሪ ምውዳቕ ህግደፍ ዝካየድ ኰይኑ፡ ኩሎም Eቶም ነቲ ሓዲሽ ኩነታት ዝቕበሉን ንUU
ዝድግፉን ዝሳተፉዎ Iዩ። Eምበኣር Eላማ ናይ'ቲ ቅድሚ ምውዳቕ ህግደፍ ዝካየድ ዋEላ Eውን
ምስ'ቲ ናይ ኪዳን መሰረታዊ Eላማ ዝቃዶ ክኸውን ኣለዎ። ብኻልE ኣዘራርባ፡ መንግስቲ
ህግዲፍ ክወድቕ፡ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ከኣ ክትካE ዝEላማU ክኸውን ኣለዎ። Eቲ Eላማ
ዋEላ Eዚ ካብ ኮነ፡ Eቶም ተሳተፍቲ ፖለቲካዊ ውድባት Eምበኣር ነዚ መሰረታዊ ለውጢ'ዚ
ብሓቂ ዝቕበሉ ክዀኑ ኣለዎም ማለት'ዩ።

ለ. ጉጅለታት በርገሳዊ ሕ-ሰብ

በርገሳዊ ሕ-ሰብ ንገዛE ርEሱ ናይ ውድድርን ቃልስን ዓውዲ Eዩ። ዝተፈላለየ ጥቕምታትን
ባህግታትን ብዘለዎም ኣካላት ዝቖመ Iዩ። ኣብ ኤርትራዊ ደምበ ብመሰረት ጥቕምን ባህግን
ዝፈላለዩ ኣካላት በርገሳዊ ሕ-ሰብ ኣለዉ።

ኣብ ሃገራዊ ዋEላ ክሳተፉ ዝኽEሉ ኣካላት በርገሳዊ ሕ-ሰብ፡ Eቶም ምስ Eላማ ቻርተር ኪዳን
ዝሳነ ባህግን መደብን ዘለዎም፡ ወይ ከኣ Eንተወሓደ ንEላማ ኪዳን ዘይጻረሩ፡ Iዮም። ብኻልE
ኣዘራርባ፡ Eቶም ነዚ ዘሎ ስርዓት ኣሊኻ፡ ዲሞክራሲን ግዝኣተ-ሕግን ብዝትሕዝቶU ስርዓት
ምትክU ንዝብል ቃልሲ ዝድግፉ ወይ ዘይጻረሩ Iዮም።

ሐ. ዲሞክራስያዊ ውድበታት ደቀንስትዮ

ካብተን ሕ-ሰብኣዊ ጉጅለታት ኩለን፡ ምናልባት Eታ ዝዓበየት ጉጅለ ደቀንስትዮ Iያ። Eኳ


ደኣ፡ ደቀንስትዮ ኣብ ሃገርና ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ዝዀነ ካልE ሃገር Eውን ብኣሃዛዊ መጠን
ፍርቂ Eቲ ሙሉE ህዝቢ'የን።

ወጽዓ ደቀንስትዮ ኣብ ኤርትራ በዚ Eዋን'ዚ ኣዚዩ ዘስካሕክሕን ዘሕዝንን ሙዃኑ ብተደጋጋሚ


ዝተዘርበሉ ጉዳይ Iዩ። ምሒር ኣገዳሲ ስለዝዀነ ግን፡ ዝተባህለ Eንተተባህለ Eኹል'ዩ ክበሃል
ኣይከኣልን Iዩ።

ባህልታት ሕ-ሰብ ኤርትራ ንደቀንስትዮ ወጻI ዝዀነ ሸነኻት ከምዘለዎ ዘካትE ኣይኮነን። ኣብ
ዝሓለፈ ታሪኽና ፡ማለት ብዝነበረን ገና Eውን ብዘሎን ልማዳዊ ስርዓት፡ ደቀንስትዮና ተገፊAን
Eየን። ነዚ ባህላዊ ትሕዝቶ'ዚ በድማEነት ጸጊንካ፡ ማEርነት ደቀንስትዮ ምርግጋጽ ካብ'ቲ ቀንዲ
Eማማትና ክኸውን ኣለዎ።

በዚ ሎሚ ኣብ ልEሊ ደቀንስትዮና ዝወርድ ዘሎ መጠን ምዝመዛን ግፍEን ንምግላጹ ዘሸግር


Iዩ። ብጊዜ ብረታዊ ቃልሲ፡ ከም መርኣያ ወይ ምስክር ማEርነተን ያI፡ ኣብ ኲናት ምስ
ደቂ ተባEትዮ ተሰሊፈን፡ ቆሲለን፡ ኣካላተን ሰንኪለን፡ ብዓቢU ኸA ህይወተን ወፍየን Iየን።
ህ-ግንባር ኣስመራ ኣትዮም ዲክታቶርያዊ ስርዓት ምስነገሰ ግን፡ ደቀንስትዮ Eቲ ዝተጸበይO
ማEርነትን ፍትሕን ክረክባስ ይትረፍ፡ Eታ ዝርካባ ኣብ ባህልና ዝነበረተን፡ ምጥንቲ ወግEን
ክብረትን Aኳ ጐዲላተን፡ ካብ ናይ ቅድም ኣብ ዝገደደ ሓሳረ-መከራ ይርከባ።

ሃገራዊ ዋEላ ኤርትራውያን Eምበኣር፡ ነዚ ጉዳይ'ዚ ዝግብO ክብደት ሂቡ ክማየጠሉን መትከላዊ


ውሳኔታት ከሕልፈሉን ይግባE። ነዚ ንምስላጥ ከኣ ደቀንስትዮ በድማEነት ኣብ'ቲ መስርሕ ዋEላ
ክውከላ ኣለወን። Eዚ ማለት ዝተፈላለያ፡ ብሓቂ ንመሰል ደቀንስትዮ ደው ዝብላ፡ ዲሞክራስያዊ
ውድበታት ደቀንስትዮ ብኣገዳሲ መጠን ይውከላን ይሳተፋን ማለት'ዩ።

- 38 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

መ. ወከልቲ ዝተፈላለያ ብሄረ-ሰባት

ሕቶ ብሄረ-ሰባት ምስ ጉዳይ ጂዮግራፊያዊ ቅቡልነት ዝተተሓሓዘ Aዚዩ ኣገዳሲ ጉዳይ Aዩ።


ዝተፋላለያ ብሄረ-ሰባትና ኣካል ኤርትራ ሙዃነን ብEግበት ንኽቕበላን ንኽኣምናን፣
ነንሕድሕደን ከኣ ከም ደቂ ሓንቲ ሃገር ንኽቀባበላን ዘኽEለን መስርሕ የድልየን። ሓደ ካብ'ቲ
ከምዚ ዝኣመሰለ ግደ ክህልዎ ዝኽEል መስርሓት፡ ሃገራዊ ዋEላ ሙዃኑ ከኣ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ
Iዩ።

ብሄረ-ሰባት ብዝተፈላለየ መልክE Iየን ኣብ መስርሕ ዋEላ ዝሳተፋ፤ ተሳትፎAን ብEሊ ከም


ብሄረ-ሰባት ጥራይ ክኸውን ናይ ግድን ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ከም'ቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ
ኣብ’ቲ ናይ ደቂ ሶማል ሃገራዊ ዋEላ ንEርቂ፡ Eቲ ዝተሳተፈ ጉጅለታት በርገሳዊ ሕ-ሰብ ንገዛE
ርEሱ፡ ኣብ ብሄረ-ሰብነት፡ ወይ ኣብ Eንዳ፡ ወይ ማይ ቤት (Clan) ዝተመስረተ Eዩ ነይሩ።
ስለ'ዚ፡ ኣብ ኤርትራ Eውን Eቲ ዝተፈላለየ ብሄረ-ሰባት ወይ ብጉጅለታት በርገሳዊ ሕ-ሰብ
ኣቢሉ፡ ወይ ከኣ ብፖለቲካዊ ውድባት ኣቢሉ፡ ክሳተፍ ይኽEል'ዩ። ናቱ ፖለቲካዊ ውድባት
Eውን ክህልዎ ይኽEል። ብተወሳኺ፡ ካብ'ተን ብሄራት ልሉያትን ክቡራትን ውልቀ-ሰባት ወይ
ጉጅለታት ንኽምረጹ Eሞ ኣብ'ቲ መስርሕ ንኽሳተፉ መታን፡ ኣዳለውቲ ሃገራዊ ዋEላ Aቲ
ዘድሊ ጥበብ ተጠቒሞም ስጉምትታት ይወስዱ።

ሰ. መራሕቲ ርEይቶን መንፈስን፡ ኣብነታውያን ባEታታትን

ኣብ ዝዀነ ሃገር፡ ብሕልፊ ኸኣ ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣመሰለ ልማዳዊ ወይ ዘይማEበለ


ዝማሕበረ-ሰባቱ ሃገር፡ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ከም መራሕቲ ወይ ኣብነት ዝልለዩ ውልቀ-
ሰባት ኣለዉ። ገሊOም ምስ ሃይማኖት፡ ገሊOም ምስ ሊቅነት፡ ገሊOም ምስ ጥበብነት ወይ
ሞያነት፡ ገሊOም ምስ ታሪኻዊ ተረኽቦታት፡ ገሊOም ከኣ ምስ ቁጠባዊ ንጥፈታት ብዝተተሓሓዘ
ዘጥረይዎ ተፈላጥነት ኣገደስቲ ይዀኑ።

ስለ'ዚ Eምበኣር፡ ከምዚOም ዝኣመሰሉ ልሉያት ውልቀ-ሰባት፡ ስለ ሓድነት ሃገርን ማEርነት


ብሄረ-ሰባትን፡ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ንዝግበር ጸዓት ዘጽልሉን ዝምርቑን፡ ከከም ባህርያት
ግዲOምን መጠን ዓቕሞምን፡ ተሳተፍቲ ሃገራዊ ዋEላ ይዀኑ። ከም ኣብነታት ናይ ከምዚOም
ዝበሉ ባEታታት፡ መራሕቲ ርEይቶን መንፈስን፤ ዓበይትን ምስጉናትን ምሁራት፣ መራሕቲ
ሃይማኖት፣ ፍሉጣትን ገዳይምን ኪነ-ጥበባውያን፣ ዝሸምገሉ ልሉያት ጀጋኑ ሓርበኛታት፣
ብሉጻትን ፍሉጣትን ስፖርተኛታት፤ ብዝተፈላለየ ቁጠባዊ መዳያት ብጻEሮም ድሙቕን
ኣርኣያውን ዓወት ዘመዝገቡ ሰብ ሓቦን ተበግሶን ክጥቀሱ ይከኣል።

ረ. ተመጻደቕትን ስቱራት ደገፍትን

Eዚ ነጥቢ'ዚ ኣብ'ዚ Eዋን'ዚ ፡ማለት ቅድሚ ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፡ ንዝግበር ዋEላ
ዝምልከት Eዩ። በዚ Eዋን'ዚ ኩሉ ኤርትራዊ ኣይኰነን ብቕሉE ንለውጢ ክንቀሳቐስ ዝኽEል።
ብፍላይ ኣብ ብዙሕ ሸነኻት ኤርትራ፡ ማለት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ዘሎ
ሸነኻት፡ ዝርከብ ህዝቢ ብቕሉE ተቓውሞU ክገልጽ ኣይክልን Iዩ። ኣብ ወጻI Eውን ብገለ-
ገለ ምኽንያታት ነቲ ስርዓት ዘይቅበልዎ ክነሶም፡ ብግህዶ ንመሰረታዊ ለውጢ ክንቀሳቐሱ
ዝጽገሙ ኣለዉ።

ካብዚኣቶም Eምበኣር፡ ማለት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ወጻI ዘለዉ፡ ብሕልናOም ነዚ


ስርዓት ዝጻረርዎ ዜጋታት፡ ተመጻደቕቲ፡ ካብU ሓሊፎም Eውን ስቱራት ደገፍቲ፡ ናይ'ቲ
ሃገራዊ ዋEላ ክዀኑ ይኽEሉ። ከምዚOም ዝበሉ ተመጻድቕትን ስቱራት ደገፍትን ኣብ መስርሕ
ዋEላ ብገለ መንገድን መልክEን ክሳተፉ ኣድላዪ Eዩ። ንሳቶም ምስዝሳተፉ ናይ'ቲ ዋEላ
መንፈስ፡ ስለ'ዚ ኸኣ Eላማ መሰረታዊ ለውጢ፡ ናብ'ቲ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ ሕዛEቲ ክሉሕኽ ይኽEል።
Eዚ ኸኣ ነቲ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዓቢ ሓገዝ Eዩ።

- 39 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

Eዞም ኣብ ላEሊ ዝተጠቅሱ ኤርትራውያን ጉጅለታት፡ Eቶም ከም ቀንዲ ዋናታት ጉዳይ ኣብ'ቲ
ዋEላ ዝሳተፉን ውሳኔታት ዘሕልፉን Iዮም፡፡ ኣብ ርEሲOም ከኣ፡ ኤርትራውያን ዘይኮኑ ግን'ከ
ብዝተፈላለየ መንገድታት ዝቐርቡናን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ከኣ ዘገድሱናን ኣካላት፡ ወሳኒ
ብዘይኮነ ግደ ኣብ ዋEላ ይሳተፉ፡፡ ገለ ካብኣቶም Eዞም ዝስEቡ Iዮም፡፡

ሀ. ተዓዘብትን መዓድትን ካብ ጐረባብቲ ሃገራት

ሰላምን ምትሕብባርን ምስ ጐረባብትና፡ ንህይወት ኤርትራ Aዚዩ መሰረታዊ ዝዀነ ኣድላዪነት


ኣለዎ። ጐረባብትና ዝዀና መንግስታት Eምበኣር፡ Eቲ ኣብ ኤርትራ ዝትከል ስርዓት ብብሄረ-
ሰባትና ቅቡል ዝኰነን፣ ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ዘስEብን፣ ኤርትራ ጥጥሕቲ ሃገር ንኽትከውን
ዝሕግዝን ሙዃኑ ክተኣማመና ይደልያ Eየን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብመንግስቲ Iሳያስ
ዝተበገሰ ውግኣት ንኹለን ጐረባብትና በብተራ ኣረኻኺቡለን Iዩ፡፡ ስለ'ዚ፡ Eዘን ሃገራት
EዚAን፡ ኤርትራ ጥጥሕትን ሰላማዊትን ጐረቤት ንኽትኰነለን Eንተተምነያን Eንተጸለያን
ክንርድAን ይግባኣና፤ ምኽንያቱ ኸኣ ሰላም ረኺበን ዋኒን ምEባለAን ክገብራ መሰለን ስለዝዀነ
Iዩ።

Eምብኣር ብቐጥታ ዝጐራበታና መንግስታት ኣብ ሃገራዊ ዋEላ፡ ከም ወሰንቲ ዘይኮነስ፡ ከም


ተዓዘብትን ከም መዓዶን ኣጽIቐን ክሳተፋ ኣድላይን ጠቓምን Iዩ።

ለ. ኣብ ጥቓና ዘለዋ ሃገራት

ምEባለ ዲሞክራስን ስርዓተ ሕግን ኣብ ኤርትራ ዝትምነያ፡ ብቐጥታ ዘይጐራበታና ግን'ከ ኣብ


ጥቓና ዘለዋ ሃገራት ወይ መንግስታት Eውን ከም ተዓዛቦ ክሳተፋ ኸለዋ ሓጋዚ Iዩ። ሃገራት
ማEከላይ ምስራቕን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ናይ ቀረባ መዛምድትና Iየን። ብምEብልናታት
ኤርትራ ይትንከፋ Iየን። Eቲ መስርሕ ሃገራዊ ዋEላ Eምበኣር፡ ናይ ከምዚAን ዝኣመሰላ
መንግስታት Eንተወሓደ ሞራላዊ ደገፍ ክህልዎ ኣድላዪ Iዩ። ደገፈን ነቲ መስርሕ ሃገራዊ
ዋEላ የEዝዞን፡ የደልድሎን፡ የAውቶን።

Eዚ ክበሃል ከሎ ግን ካልOት መንግስታት ወይ ሃገራት ኣየገድሳን Iየን ማለት ኣይኰነን።


ብፍላይ Eኳ፡ ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ዘሎ፡ Eተን ከም በዓል ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮጳን
ጃፓንን ዝኣመሰላ ንፖለቲካ ዓለም ዝጸልዋ ዘለዋ ሓያላትን ሃብታማትን መንግስታት ኣዚየን
የገድሳ Iየን።

ሐ. ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ኣፍሪቃዊ ውድባትን

ሕብረት ኣፍሪቃ ንጽፈት ምሕደራን፡ ንምEባለ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን፡ ንሓለዋ ሰብኣዊ


መሰላትን፡ ከም ሓደ ማEከላዊ Eማሙ ገይሩ ብሙቕጻር ክንቀሳቐስ ጀሚሩ ኣሎ። Eዚ Eማም'ዚ
ነተን ካልOት፡ ማለት ነተን ከም በዓል ሳደክ፣ ኤኮዋስ፣ Iጋድ ዝኣመሰላ ትሕተ ኣህጉራዊ
ዝዀና ዞባዊ ውድባት ኣፍሪቃ፡ Eውን ይምልከተን Iዩ።

ኤርትራ፡ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብሙዃና፡ ኣብኣ ዲሞክራሲያዊ ስርዓትን ግዝኣተ-ሕግን ንምስፋን


ዝግበር ጻEሪ ንሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ንዞባዊ ኣፍሪቃዊ ውድባት የገድሰን Iዩ። ስለ'ዚ፡
ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹኑ ዞባዊ ኣፍሪቃዊ ውድባት፡ ከም ተዓዘብቲ ኰይኖም ብስርዓት
ነቲ ሃገራዊ ዋEላ ክከታተሉዎ ኣድላዪን ሓጋዝን Iዩ። Eቲ ዋEላ ብሕብረት ኣፍሪቃ
ዝተመስከረሉን ዝተመረቐን መስርሕ ምስዝኸውን ተኣማንነቱን ዋሕስነቱን ክድልድል ይኽEል።

- 40 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

መ. ትካላት ዓረባዊ ወይ ማEከላይ ምስራቓዊ ሃገራትን ምንቅስቓሳትን

ሃገራት ማEከላይ ምስራቕ Eውን፡ ልክE ከምተን ኣፍሪቃውያን ውድባት፡ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ
ዋEላና ኣገዳስነት ኣለወን። ጂዮግራፍያዊ ምቕማጥ ኤርትራ ኣብ ምEራባዊ ደንደስ ቀይሕ ባሕሪ
ኰይኑ፡ ንIላታት ዘይቲ ማEከላይ ምስራቕ ፊት-ንፊት ዝጥምት Iዩ፡፡ ብተወሳኺ፡ ብሄረ-ሰባት
ኤርትራ ምስ ሃገራት ማEከላይ ምስራቕ ብመጠኑ ዝተፈላለየ ታሪኻውን ባህላውን ዝምድናታት
ኣለወን። ነዚ ሐቅታት'ዚ ኣብ ግምት ብምEታው ይመስል፡ ዓለማዊ ሓይልታት በዚ Eዋን'ዚ
ንስትራተጂካዊ ሜላታቶም ብዝምልከት ንኤርትራ፡ ከምU Eውን ንመብዛሕትAን ሃገራት ቀርኒ
ኣፍሪቃ፡ ከም ኣካል ማEከላይ ምስራቕ ገይሮም Iዮም ዝርEዩወን።

ስለ'ዚ Eምበኣር መጻI Eድል ኤርትራ ንዓረባዊ ውድባትን ትካላትን ምንቅስቓሳትን


ብሕውነታዊ ደረጃ የገድሰን Iዩ። ንስትራተጂ ሓያላት መንግስታት ኣብ ግምት ብEታው Eሞ
ኸኣ፡ ኩነታት ኤርትራ ይምልከተን Iዩ ክበሃል ይከኣል። ስለ'ዚ ራቢጣ-ዓረብ፡ ከምU Eውን
ከም በዓል Eስላማዊ ጉባኤ ዝኣመሰሉ ምንቅስቓሳት ኣብ ሃገራዊ ዋEላ ኤርትራውያን
ከምተዓዘብቲ ክካፈልዎ ሓገዛት Eውን ክገብሩሉ ኣድላዪ Iዩ።

ሰ. ሕብረት ኣውሮጳን ትካላቱን

ሃገራት ኣውሮጳ Eተን ንኣህጉር ኣፍሪቃን ማEከላይ ምስራቕን ብጂOግራፊያዊ ቦታAን ዝቐረባ
ምEቡላት ሃገራት ፡ማለት ሃገራት ቀዳማይ ዓለም፡ Iየን። ንIኮኖምያዊ ዝምድናን ምEባለን
ኣዚየን ኣገዳስቲ Eየን። ንምEባለ ዲሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ ብዝርI መደባት ኣለወን። ብቐንዱ
ኸኣ፡ ብመልክE ሕብረት ኣውሮጳ ተወዲበን፡ ነዚ ጉዳይ'ዚ ዝምልከት ጥርኑፍ ስትራተጂን
ፕሮግራም ሓገዛትን ሰሪAን Eየን። ንስለ ዲሞክራሲን ግዝኣተ-ሕግን ዝቃለሱ ሓይልታት
ኤርትራ ካብ መደባትን ፕሮግራማትን ሕብረት ኣውሮጳ ተጠቀምቲ ክዀኑ ኣለዎም።

ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ዋEላና Eምበኣር ሕብረት ኣውሮጳ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣገዳሲ


ይኸውን። ቀዳማይ ነገር ንመስርሕ ዋEላ ንምስልሳል ገንዘባውን፡ ርEይቶኣውን፡ ተክኒካውን፡
ዲፕሎማስያውን ሓገዛት ብኣድማEነት ክገብር ይኽEል። ካልኣይ ነገር ሕብረት ኣውሮጳ
ንሃገራዊ ዋEላና ብቕዓቱ ምስዝምስክረሉ፡ ዋEላና ብኻልOት Eውን ተፈላጥነትን ተቐባልነትን
ንኽረክብ Eሞ ውጽIቱ ኸኣ Eዉት ንኽኸውን ዓቢ Eድል ይህልዎ። ስለ'ዚ ሕብረት ኣውሮጳ
ከምተዓዛቢ፡ Eኳ ደኣ ከምተሓባባሪ፡ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ዋEላና ተራ ክህልዎ ኸሎ፡
ንኤርትራውያን ሓይልታት ዲሞክራሲ ዓቢ ጥቕሚ ዝህብ Eዩ።

ቀ. ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ

Eዛ ሃገር'ዚኣ በዚ Eዋን'ዚ፡ Eንተወሓደ ብገለ ወተሃደራዊ ሸነኻት፡ Eታ Eንኮ ልEለ-ሓያል


ኰይና ኣላ። ኣብ ብዙሓት ሃገራትን ዓለም-ለኻዊ ስርIታትን፡ ኮታስ ኣብ ዓለም፡ ጽልዋኣን
ግደኣን ዓቢ Eዩ። ኣብ ኣፍሪቃ Eሞ ኸኣ ወሳኒ ንሙዃን ዝቐረበ መጠን ጽልዋን ግደን ኣለዋ።
ስለ'ዚ፡ ኣብ ዝዀነት ኣፍሪቃዊት ሃገር ዝካየድ መስርሕ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ፡ Eንተዀነ ናይ
ኣመሪካ ሓገዝ፡ ካብU ተረፈ ተቐባልነት፡ ክህልዎ ኣድላዪ Iዩ። Eዚ ተቐባልነት'ዚ ካብ
ብዙሓት መንግስታትን ዓለም-ለኻዊ ስርዓታትን ምትሕብባር ክትረክብ ይሕግዘካ Eዩ።

ነዚ ሕቶ'ዚ ብዝርI ፍልልያት ክህሉ ይኽEል'ዩ፣ ዝዀነ-ዀይኑ፡ Eቲ ብርግጽ ክበሃል ዝከኣል፡


Eዛ ልEለ-ሓያል ዝኾነት ሃገር ንዋEላኻ ክትቃወሞ ዘየድሊ ሙዃኑ Iዩ። Eንተድኣ ተቓዊማቶ
ከቢድ ሳEቤናት ኣለዎ፤ ንኣብነት ንገሊOም ፍጹም ምEዙዛታ ዝዀኑ ጸረ-ዲሞክራሲ ሓይልታት
ሓጊዛ፡ ነቲ መስርሕ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ከተበርEኖ ትኽEል Eያ።

Eምበኣር ሕ-ሃገራት ኣመሪካ ኣብ'ቲ ሃገራዊ ዋEላ ብገለ መልክE ከምተዓዛቢት ተሳቲፋ፣ ነቲ
መስርሕ ከም ቅቡል ገይራ Eንተመረቐቶ ኣዚዩ ዝሓሸ Eዩ።

- 41 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

በ. ትካላት ሕቡራት መንግስታት

ሕቡራት መንግስታት ኩለን ሉዓላዊ ሃገራት ኣባላት ዝዀናሉ ዓለማዊ ውድብ Eዩ። ኣብ ጉዳይ
ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን፡ Eዚ ውድብ'ዚ ዳርጋ ካብ ዝምስረት ጀሚሩ EናኣEበዮ ዝመጸ
ተገዳስነትን ግደን ኣለዎ። በዚ ሎሚ Eዚ ግደ'ዚ ካብ ዝሓለፈ Eዋናት ብዝበለጸ ዓዚዙ ይርከብ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት Eምበኣር ከም ተዓዛብ መስርሕ ዋEላን ምስክር ቅንEና ውጽIቱን
ኰይኑ ክሳተፍ ኣድላዪ Eዩ። ብመልክE ምኽርን ተክኒካዊ ሓገዛትን Eውን ኣገዳሲ ኣስተዋጽO
ከበርክት ይኽEል Eዩ።

ነ. ባንካ-ዓለምን ካልOት ዓለም-ለኻዊ ገንዘባዊ ስርIታትን

ባንካ-ዓለምን ዓለም-ለኻዊ ገንዘባዊ ማEከልን (IMF) ኣብ ጉEዞ ምEባለ ናይ መብዛሕትAን


ሃገራት ግደ ኣለወን። ኣብ ኣፍሪቃ Eሞ ኸኣ ዳርጋ ወሳኒ ዝዀነ ግደ Eዩ ዘለወን።
ብዘይምትሕብባር Eዘን ዓለማዊ ስርIታት Eዚኣተን ንግዲ ኰነ ካልE ንምEባለ ዘገድስ
ዓለምለኻዊ ርኽክባት በዚ ሎሚ ብኣድማEነት ክሰልጥ ኣይክEልን።

ንምሕደራ ብዝርI Eዘን ስርIታት Eዚኣተን ፡ብፍላይ ካብ መፈጸምታ ዝሑል-ኲናት ንደሓር፡


ተሪር መርገጻት ወሲደን Eየን፤ ኣገዳሲ ፖሊሲ Eውን ኣተግቢረን Eየን። ገንዘባዊ ልቓሕ
ንምርካብ ይኹን ካልE ምትሕብባር ካብኣተን ንምርግጋጽ ብቐዳምነት ንሳተን ናብ ዲሞክራስን
ግዝኣተ-ሕግን ዘድሃበ ጽገና Iለን ዝቕበልO ለውጥታት ክትገብር ኣለካ። Eዚ ለውጥታት Eዚ
ንኽግበር Eውን ተጽEኖታት ይገብራ Iየን። Eምበኣርከስ፡ Eዘን ሓያላት ዝዀና ገንዘባዊ
ስርIታት ኣብ ጐድንኻ ክዀና Eንከለዋ ዓቢ ሓገዝ Iዩ። ስለ'ዚ፡ ሃገራዊ ዋEላ ኤርትራውያን
ናይዘን ስርIታት Eዚኣተን ቆላሕታን ምልክት ፍቓድን፡ EንተተኻIሉ Eውን ነገራዊ ሓገዝ፡
ክረክብ ከሎ Eዉት መስርሕ ንኽኸውን ዓቢ ተኽEሎ ይህልዎ።

A. ዘይመንግስታዊ ትካላት ካብ ወጻI

ኣብ ዝተፈላለያ ምEቡላት ሃገራት፡ ብፍላይ ኣብ ኣውሮጳን ኣብ ሰሜን ኣመሪካን፡ ብጉዳይ


ምሕደራን ዲሞክራሲን ሰብኣዊ መሰላትን ዝግደሳ ዘይመንግስታዊ ትካላት ብዙሓት ኣለዋ።
ካብዘን ትካላት Eዚኣተን ዝተፈላለየ ሓገዛት ክርከብ ይከኣል። ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ሞያዊ ምኽርን
ምEዶን፡ ከምU Eውን ናይ ምስክርነት ሓገዝ ብኣገዳሲ ደረጃ ይርከብ። ከምዚAን ዝበላ ትካላት
ንናይ መንግስታተን ፖሊሲ Eውን ይጸልዋ ስለዝዀና፡ ምስክርነተን ዝተፈላለያ ዘገድሳ
መንግስታት ንኽፈልጣኻን ንኽቕበላኻን Eውን ይሕግዝ Eዩ።

ገሊAን ዘይመንግስታዊ ትካላት ብዙሕ ተሞክሮታት ኣለወን። ብዛEባ ኣወዳድባን ኣሰላስላን


ሃገራዊ ዋEላ ከይተረፈ ኣፍልጦ ኣለወን፡፡ ነዚIታት ብዝርI Eውን Eምበኣር ካብኣተን ጠቓሚ
ምEዶን መምርሕን ክርከብ ይከኣል Eዩ።

ስለ'ዚ ዘይመንግስታዊ ትካላት ከም ተዓዘብቲ፡ ብገለ ሸነኻት Eውን ከምተሓባበርቲ፡ ኣብ


ዋEላ ክሳተፋ ኣድላዪ Eዩ።

ከ. ብዓለም ደረጃ ልሉያት ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ፡ Eኳ ደኣ ደቂ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝዀኑ፡ ንምስፍሕፋሕ


ዲሞክራሲን ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን ዝጣበቑ ግለ ሰባት ኣለዉ። ልሉያት ደረስቲ፡ ምሁራት፡
መራሕቲ ሃይማኖት፡ መራሕቲ-ሃገር ዝነበሩ፡ ተጣበቕቲ ሰላምን ክንክን ከባቢን፡ ሓቦኛታት
ደቂንስትዮ፡ ገበርቲ ሰናይ ወዘተ... ከም ኣብነታት ክጥቀሱ ይከኣል። ኣብ ኣፍሪቃ ንኣብነት ከም
በዓል ማንዴላ ዝኣመሰሉ መራሕቲ-ነበር፡ ከም በዓል ዎለ-ሶዪንካ ዝበሉ ደረስቲ፡ ከም በዓል
ኣቡነ ቱቱ ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ከም በዓል ፕሮፌሰር ዋንጋሪ ማትታይ ዝበላ

- 42 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ተንቀሳቐስቲ ክንክን ከባቢ፡ ከም ልሉያትን ክቡራትን ውልቀ-ሰባት መጠን ኣገዳሲ ግደ


ኣለዎም።

Eቲ ዋEላ ኤርትራውያን Eምበኣር ከምዚOም ዝበሉ ልሉያት ውልቀ-ሰባት ከምተዓዘብቲ


ክሳተፍዎን ንውጽIቱ ክምርቕዎን ኣድላዪ Eዩ። ናይ ከምዚOም ዝበሉ ውልቀ-ሰባት ግደ ነቲ
መስርሕ ሃገራዊ ዋEላ ዓቢ ግርማ ይዀኖ፣ ነቲ ውጽIቱ ኸኣ ዓቢ ሚዛንን ተቐባልነትን ይህቦ።

- 43 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

8. መንግስቲ ህግዲፍ ኣብ ሃገራዊ ዋEላ ይሳተፍ'ዶ?


ካብ ሰውራ ፈረንሳ (1789) ኣትሒዙ ክሳብ Eዚ Eዋን'ዚ ዝተቐስመ ተሞክሮ ከምዘመልክቶ፡ ሓደ
ሃገራዊ ዋEላ ዝEወት Eቲ ክEለ ወይ ክEረ ዝድለ ዘሎ መንግስቲ Eንተዘይመሊኹዎ ወይ
Eንተዘይተቖጻጺሩዎ ጥራይ Iዩ። ኣብ ናይ 1789 ሰውራ-ፈረንሳ Eቲ ንጉስ ፈጺሙ ተዳኺሙ
ስለዝነበረ ዳርጋ ኣይተሳተፈን፡፡ ወይ ከኣ ምስታፍ ክበሃል Eንተድኣ ዝከኣል ኰይኑ፡ ተሳትፎU
Eቲ ዋEላ ዝደለዮ ኩሉ ብምምላE መልክE Iዩ ነይሩ። ነቲ ዋEላ ክEንቅፎ ኣይፈተነን፤ Eኳ
ደኣ Eቶም ልUላን ነቲ ኣኼባ ዓምዲ ታሕተዎት ክሕወስዎ ብምፍቃድ Eቲ ዋEላ ሃገራዊ
ምልኣት ንኽህልዎ ኣኽIሉ። ከምዚ ክገብር ከሎ ግን ክግልበጥ ወይ ካብ ንግስና ክEሎ'ዬ ዝብል
ግምት ኣይነበሮን። ስለ'ዚ፡ ንጉስ ኰይነ ክቕጽል'የ ብዝብል ትጽቢት Iዩ ብመጠኑ ውድዓዊ
ምትሕብባር ዝገበረ ክበሃል ይከኣል።

ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ Eውን Eቲ ኩነታት ተመሳሱሉ Iዩ ዝነበረ ክበሃል ይከኣል። ኣብ


በኒን ፕረዚደንት ከረኩ ነቲ ሉUላውነት ዋEላ ኣይተቓወሙዎን፤ ዘይተቓወሙሉ ምክንያታት
ነይሩ፡፡ 1. ኣዚዮም ተዳኺሞም ብምንባሮም፡ ልUላውነት ዋEላ ኣይቅበልን /Eምቢ/ ክብሉሉ
ዝኽEሉ መንገዲ ኣይነበረን፤ 2. ከረኩ Eውን Eቲ ዋEላ ካብ ስልጣን ከውርደኒ Iዩ ዝብል
ግምት ኣይነበሮምን፤ 3. ከምU ኸኣ ምሕረት ከምዝግበረሎም ስለዝተነግሮም ልUላውነት ዋEላ
ንምቕባል ብዙሕ ኣይተሰከፉን።

ኣብተን ካልOት ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረባ ሃገራት ኣፍሪቃ ግን፡ ሃገራዊ ዋEላ ብሓቂ ነቲ ዝድለ
ለውጢ ከምዘየምጽA ርIና። Eዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ Aብ ከም በዓል ቶጎ ንኣብነት፡ Eቲ
ዲክታቶርያዊ መራሒ ወታሃደራዊ ሓይሊ ዓቲሩ ስለዝሓዘን፡ ስልጣን ንኽይገድፍ ከኣ ብኹሉ
መንገዲ ፡ብምፍርራሕ ከይተረፈ፡ Eከይ ስጉምትታት ስለዝወሰደን Iዩ። Aብ ገሊU ኸኣ Eቲ
”ሃገራዊ ዋEላ” ፈጺሙ ልUላውነት ዝበሃል ዘይነበሮ፡ በቲ ዲክታተር ዝተወደበን ዝተወነነን
መስርሕ Eዩ ነይሩ። Eቲ ”ሃገራዊ ዋEላ” ኣንጻር ድልየት Eቲ ዲክታተር ክውስን ፈጺሙ
ኣይክEልን ዝነበረ።

ውልቀ መላኺ Iሳያስ ኣፈወርቂ ሉUላዊ ብዝኾነ ”ሃገራዊ ዋEላ” ኣቢሉ ስልጣን ንህዝቢ ከረክብ
ይኽEል’ዶ? ንዝብል ሕቶ፡ መልሱ ፈጺሙ ኣይክEልን Eዩ። ኣሽምባይዶ በዚ መንገድ’ዚ ኣቢሉ
ስልጣን ክህብስ፡ ነታ ካብ ናቱ ፍቓድ ብዘይወጸ መስርሕ ዝተነድፈት ሕገ-መንግስቲ Eኳ ኣብ
ግብሪ ንኸይትውEል ከልኪሉ ኣሎ።

ምናልባት ዋEላ ፈቒዱ ንኽበሃል Iሉ፡ ሓደ ”ዋEላ” ተባሂሉ ዝጽዋE ትያትር ወይ ናይ ላግጺ
ጽምብል ክገብር ይኽEል ይኸውን። ነዚ ክገብር ከሎ ግን ንሱ Eንደገና ቀይዲ ኣልቦ መራሒ
ኮይኑ ክቕጽለሉ ዝኽEል መንገዲ ንምድላይ Eዩ Eምበር፡ ስልጣን ንህዝቢ ንምሃብ ክኸውን
ኣይክEልን Iዩ።

ባህርያትን ኣካይዳን Iሳያስ፡ ምስናይ’ቲ ኣብ’ዚ ቀረባ Eዋን ዝሞተ፡ ናይ ቶጎ ዲክታተር ዝነበረ
ናሲንግበ Aያደማ፡ ኣጸቢቑ ይመሳሰል Iዩ። ልክE ከም Aያደማ Iሳያስ ስልጣን ክገድፍ ዝደሊ
ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ባዓል ጋቦን ዝተገብረ፡ ኣቐዲሙን ኣገሪሁን ”ሃገራዊ ዋEላ” ዝበሃል ላግጺ
ወዲቡ፡ ነቲ ዲክታተርነቱ ናይ ሓሶት ካባ ንኸልብሶ Eውን ዝግደስ ኣይመስልን። ስለዚ ብርግጽ
Eዚ ውልቀ መላኺ Eዚ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ጊዜ መንግስቲ ተኻፋሊ መስርሕ ሃገራዊ ዋEላ
ክኸውን ኣይክEልን Iዩ።

ነዚ ነጥብ’ዚ ብዝርI ክንብሎ Eንደሊ ሓደ ነገር Aሎ። መንግስቲ Iሳያስ Aብ ዋEላ ክሳተፍ
ይኽEል'ዶ? ንዝብል ሕቶ፡ ንስለ ስነ-ፍልጠታዊ ዝርርብ ወይ ትንተና Iልና Iና ነልEሎ ዘሎና
Eምበር፡ Eዚ መንግስት’ዚ ክሳተፍ ከምዘይክEልስ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ወሲኖሞ
Eዮም። Eቲ ውሳኔOም ከኣ ቅኑE Iዩ።

ፖለቲካዊ ቻርተር ኤሪትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ብዛEባ Eዚ ሕቶ’ዚ ንጹር መርገጽ ወሲዱ
Iዩ። ኣብ ካልኣይ ዓንቀጽ ናይ’ቲ ቻርተር፡ ቀንዲ Eላማ ኪዳን ንምልካዊ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ

- 44 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ምውዳቕ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ሳልሳይ ዓንቀጽ ከኣ ድሕሪ ምውዳቕ መንግስቲ ህ.ግ.ዲ.ፍ
ሃገራዊ ዋEላ ከም ዝካየድ ተሓቢሩ ኣሎ።

ስለ’ዚ Eምበኣር፡ መርገጽ ኪዳን ብዛEባ’ዚ ጉዳይ’ዚ፡ መንግስቲ Iሳያስ’ሲ ብዝኾነ ኣገባብ ካብ
ስልጣን ክEሎ ዘለዎ ደኣ Eምበር፡ ኣብ ሃገራዊ ዋEላ ንኽሳተፍ ዝEደም ኣካል ኣይኮነን ዝብል
Iዩ። Eዚ መርገጽ’ዚ ምስ’ቲ ሽማግለና ብናታ ትንተናዊ ምርምር ዝበጽሓቶ መደምደምታ
ዝሳነ፡ ቅኑEን ሓላፍነታውን መርገጽ Iዩ።

- 45 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

9. ኣገባብን ኣተገባብራን ሃገራዊ ዋEላ ኣብ ህሉው ኩነት ኤርትራ


ዝርዝር ኣገባብን ኣተገባብራን ሃገራዊ ዋEላ ካብ ሃገር ናብ ሃገር፤ ካብ ኩነታት ናብ ኩነታት
ይፈላለ Iዩ። ብነንበይኑ ዝኾነ ሮቛሒታት ድማ ይውሰን። Eቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ
ነቶም ዋEላ ዝገብሩ ዘለዉ ሓይልታት ህይወት ሃገር፡ ፈትዩ ኣይፈትዩ፡ ፈሊጡዎም ድዩ? Eቲ
ዋEላ ብቕሉE ኣብ ፍሉጥ ቦታ ድዩ ዝካየድ ወይስ ኣይኮነን? Eዝን ከምዝን ዝኣመሰለ ሕቶታት፡
ነቲ ኣገባብን ኣተገባብራን ዋEላ ይጸልዎ Iዩ።

ንዝርዝር ብዝርI ፍልልያት Eኳ Eንተሃለወ፡ መሰረታዊ ኣገባብን ኣተገባብራን ሃገራዊ ዋEላ


ተመሳሳሊ Iዩ። ሃገራዊ ዋEላ ኤርትራውያን ብኣገባቡ ካብ'ቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተራEየ
ዝፍለ ኣይኮነን፡፡ ናይ'ቲ መስርሕ Eማማትን ቅድመ-ተኸተልን ከኣ ብሓፈሻዊ Aዘራርባ ከምዚ
ዝስEብ ይመስል።

1ይ. ሕድሕድ ምፍልላጥ ኣብ ዲሞክራስያዊ ሃዋህው፣ ቅድሚ Eቲ ዋEላ ዝግበረሉ Eዋን፡


ብፍላይ Eኳ ደኣ ምቅርራብ ክጅመር ከሎ፡ Eቶም Aካል ሓይልታት ህይወት ኤርትራ ዝኾኑ
ፖለቲካዊ ውድባት፡ ነንሓድሕዶም ኣድማI ወይ ተግባራዊ ተፈላጥነት ክወሃሃቡ ይግባE።
ንኣባላቶም ካኣ ብዛEባ ዋEላ ከነቓቕሕዎም ኣለዎም። Eቶም Aካላት በርገሳዊ ሕ-ሰብን ካልOት
ጉጅለታትን Eውን ከምU Eናተላለዩ ክቕልቀሉን ክንቀሳቐሱን፣ ብዛEባ ዋEላ ኸኣ ክመሃሩን
ኣለዎም። ምሁራት ውልቀ ሰባትን ካልOት ሰብ ተሞክሮን ክለዓዓሉን፣ ንዝተፈላለየ ጉዳያት
ብዝምልከት ርEይቶታት ከስምUን ክዝርግሑን፡ ነዚ ንኽገብሩ ኸኣ ክተባብUን ኣለዎም።

Eቲ ዝምድና ሓይልታት ህይወት ኤርትራ ኣብ ሃዋህው ምEባለ ዲሞክራሲ ክEንብብ ኣለዎ።


ሓሳብ ብቕሉE ናይ ምግላጽን ምልውዋጥን ንጥፈታት ክተባባEን ክድገፍን ኣለዎ። ናይ
ምጽውዋር ወይ ምጽማም ኣኻEሎን፣ ናይ ምርድዳEን ናይ Eንካን-ሃባን ኣገባብ ብዝተኻEለ
መጠን ንኽዝውተር ምግባር የድሊ።

ኣብ ምምEባል ናይ’ዚ ንጥፈታት Eዚ፡ Eቲ መድያ (ወይ መራኸቢ ማEከናት) ዓቢ ግደ ኣለዎ።


ናይ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ርEይቶታት ንኽቃላሕ መታን፡ ሓላፍነታዊ ክትዓት ከተባባE ኣለዎ
ማለት’ዩ።

2ይ. ወዳቢት ሽማግለ፣ Eቶም ዝተፈላለዩ ውድባትን ጉጅለታት በርገሳዊ ሕ-ሰብን ካልOት
ሸነኻት ናይ ሓይልታት ህይወት ሃገርን ብመሪሕነታቶም ደረጃ ተራኺቦም፡ ብዛEባ ሙቛም
ወዳቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ይመያየጡ። ካብ መሰረታቶምን፡ ካብ ደገፍቶምን፡ ካብ
ክIላታትን ሓሳባት Eንዳቐሰሙ፡ ካብ ውድባት ገለልተኛ ዝኾነት ብሱላትን ክቡራትን ዜጋታት
ዝኣባላታ ወዳቢት ሽማግለ የቑሙ። ካብ ነፍስ-ወከፍ ውድብን Eኩባት ጉጅለታት በርገሳዊ ሕ-
ሰብን ካልOት ሸነኻትን፡ ምስ’ዛ ወዳቢት ሽማግለ ዝተሓባበራ፡ Eሞ ኸኣ ከም መራኸብቲ
ዘገልግላ፡ ኣካላት ይቖማ። Eማም ወዳቢት ሽማግለ ንጉዳያት መስርሕን ትሕዝቶን ዋEላ
ዝምልከት Eዩ።

3ይ. ጉዳይ ገንዘብ፣ ንመስርሕ ሃገራዊ ዋEላ፡ Eንኮላይ ንመንቀሳቐሲ ወዳቢት ሽማግለ፡ ዘድሊ
ገንዘብ ብሓልዮት ውድባትን Eቶም ኩሎም ካልOት ጉጅለታትን ይናደን ይEከብን። ውድባት፡
ነቲ ምስ መንግስታት ዘለወን ርኸክባት ተጠቒመን፣ በርገሳዊ ማሕበራት ከኣ ምስ ተመሳሰልተን
ዝኾና፡ ኣብ ምEቡላት ሃገራት ዝርከባ ዘይመንግስታዊ ትካላት ክህልወን ንዝኸEል ዝምድና
ተመርኲሰን፡ ንዋEላ ዝኸውን ገንዘባዊ ሓገዛት ከናድያን ክEክባን ኣለወን።

Eቲ ዝEከብ ገንዘብ ኣደዳ ብልሽውና መታን ከይከውን፡ ወዳቢት ሽማግለ ንምቁጽጻር


ኣተኣኻኽባ ገንዘብ ዝርI ስርዓት ተውጽEን ትEውጅን።

4ይ. Aነዳድፋ Eላማን ሽቶን ዋEላ፣ ወዳቢት ሽማግለ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ናብ ዲሞክራስን


ግዝኣተ-ሕግን ዘቕንA፡ መሰረታዊ ለውጢ ንኽረጋገጽ ዘገልግል ስትራተጅን ሜላን ከመይ ከም
ምዃኑ ዘመልክት፡ ውድባትን በርገሳዊ ጉጅለታትን ዘዳለውO ዝተፈላለየ መጽናEትታት

- 46 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ትምርምሮ። ብድሕር’ዚ፡ ምስ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ዝተፈላለየ መጽናEትታት ብዝቃዶ መንፈስ፡


መሰረታዊ ለውጢ ከፍሪ ናይ ዝኽEል ስትራተጅን ሜላን ሓሳባት Eታ ሽማግለ ብኽIላታት
Eናተሓገዘት ተርቅቕ።

ብመሰረት ናይቲ ዝረቐቐ ሓሳባት፡ Eታ ሽማግለ ኣርEስትታት ክትEን ጉዳያት ውሳኔታትን


ናይ’ቲ ዋEላ Eንታይ ከም ሙዃኖም ዘርI ንድፊ ተውጽE።

ሽማግለ፡ ነቲ ዘርቀቐቶ ሓሳባትን፡ ነቲ ዝነደፈቶ ኣርEስትታትን ጉዳያትን፡ ምስቶም መራሕቲ


ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን ብሰፊሑ ትካታዓሉን ትረዳዳኣሉን።

ኣብ መወዳEትU፡ ነቲ ሓሳባትን ኣርEስትታትን ብዝርI፡ ኩሎም Eቶም መራሕቲ ውድባትን


ሲቪካዊ ማሕበራትን ኣብ ሓባራዊ ስምምE ይበጽሑ።

5ይ. ብቕዓትን ቁጽርን ተሳተፍቲ ዋEላ፣ ወዳቢት ሽማግለ፡ ምስ መራሕቲ ውድባትን ሲቪካዊ
ማሕበራትን ተመያዪጣ፡ ኣየኖት ኣካላት ናይ ምክፋል ብቕዓት ብመትከል ከምዘማልUን፡
ቁጽሪ ተሳተፍቲ ዋEላ ክንደይ ክኸውን ከምዘለዎን፣ Eተን ዝተፈላለያ ኣካላት ከኣ በብኽንደይ
ከም ዝውከላን ትውስን።

6ይ. ውሳኔ ብዛEባ ቦታን ግዜን ምምሕዳራዊ ተሓባበርትን፤ ንኹነታት ናይ’ቲ ዝተፈላለየ
ሓይልታት ህይወት ሃገር፡ ፖለቲካውን ሲቪላውን ኣካላት፡ ኣብ ግምት ብምEታው፡ ምስ
መሪሕነታቱ ከኣ ድሕሪ ምምያጥ፡ ወዳቢት ሽማግለ Eቲ ሃገራዊ ዋEላ መዓስን ኣበይን ከም
ዝኸውን ትውስን። ኣብ’ቲ ዝተወሰነ ናይ ዋEላ ቦታ ብምምሕዳራዊ ሸነኸ ዝተሓባበርዋ ኣካላት
ከምዝቖሙ፡ Eቲ ንዋEላ ዘድሊ ትሕተ-ቕርጻ ከኣ ከምዝትከል ትገብር።

7ይ. ወሃብ ቃልን ኮሚቴ ዜናን፣ Eታ ወዳቢት ሽማግለ ሓደ ወሃብ ቃል ይህልዋ። ከምU Eውን
ምስቶም ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ብምልዛብ፡ ሓደ ገለልተኛታት ሰብ-ሞያ ዝኣባላቱ
ኮሚቴ ፈነዋ ዜና ተቕውም። Eታ ኮሚቴ ምስ ዘሎ ሃገራውን ኣህጉራውን ማEከናት ዜና
ብምርኻብ፡ ብዛEባ Eቲ ዋEላ ንዓለም ሓበሬታ ትህብ። ንትሕዝቶን Eላማን ናይ’ቲ ዋEላ
ብዝርI፡ ህዝቢ መታን ኣፍልጦን ንቕሓትን ከደልድል፡ Eተን ሃገራውያን ማEከናት ዜና፡
ማለት መጽሄታት ጋዜጣታት ሬድዮ Iንተርነት ወዘተ፡ ኣጽIቐን ከምዝዋፈራ ይግበር።

8ይ. ምጅማር ጉባኤ፣ ጉዳይ ወግEን ሃገራዊ Eርቅን፣ Eቲ መስርሕ ዋEላ ርዝነት መታን ክህልዎ፡
ወዳቢት ሽማግለ ምስ ምሁራትን ፈላጣትን ብምምኽኻር፡ ኣብ ባህልታትና ዝተመስረተ፡
ንህዝብና ጦብላሕ ክብሎ ዝኸEል ወግEን ስነ-ስርዓትን ኣለልያ፡ ኣኼባ ብUU ከም ዝጅመር
ትገብር። ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ንመራሕቲ ሃይማኖታትና ድሙቕ ኣገዳስነት ኣልቢሳ ልUል ግደ
ትህቦም።

ኣኼባ ምስተጀመረ፡ ፍሉጣት ናይ ሃይማኖታትና ኣቦታት ዝመርሕዎ ወግዓዊ ወይ ምልክታዊ


መደብ ’’ሃገራዊ Eርቂ’’ ብሓጺሩ ይካየድ። Eቶም ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት፡ ብዝተፈላለየ
ሕቶታት ዝናቖቱ ዝነበሩ ልሉያት ኣካላት ተተሲOም፡ ብሓፈሽU ብዝፈጸምዎ ጌጋታትን
በደላትን ከም ዝጉህዩን ከምዝናስሑን ገሊጾም፡ ንብድሕሪ ሕጂ ብንጽህና ንህዝቦም ከገልግሉ፡
ምስ ተቓወምቶም ካኣ ብመሰረት መትከላት ዲሞክራሲ ክዛመዱ ድሉዋት ምዃኖም ይገልጹ።
ብኹሉ ተሳታፊ Eናተሰነዩ ይቕረ ናይ ምብህሃል ሰላምታ ይለዋወጡ። Eንተዀነ ግን፡ ኣብ’ዚ
ክስመረሉ ዘለዎ ሓደ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ፡፡ ንሱ ድማ፡ Eርቂ ስለዝግበር ጥራይ፡ ነቲ ንዳሕራዩ
ኣብ ፍርዳዊ መስርሕ ዝቐርቡ ኣካላት ክህልዉ ኣይክEሉን Iዮም ማለት ከምዘይኰነ Iዩ፡፡
ብኻልE ኣበሃህላ፡ ብገለ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ሃገራዊ ክድዓትን ዝኽሰሱ ውልቀ-ሰባት
Eንተድኣ ተረኺቦም፡ ብጉልባብ ናይ’ቲ ዝግበር Eርቂ ካብ ፍትሒ ክሞልቁ Iዮም ማለት
ኣይኰነን፡፡

9ይ. ስምምE ብዛEባ Aገባብ፣ ነቲ ዋEላ ወይ ኣኼባ መነ-መን ከም ዝመርሕዎን ዝኣልይዎን፡


በታ ወዳቢት ሽማግለ ንዝቐርብ ሓሳብ ወይ ርEይቶ ተሳተፍቲ ዋEላ የጽድቕዎ፡፡ ተሳተፍቲ

- 47 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ዋEላ፡ ኣዚዩ ከቢድ ዝኾነ ምኽንያት Eንተዘይሃልዩ፡ ነቲ ብሽማግለ ዝቐርብ ሓሳብ


ኣይብድህዎን።

ብድሕሪU፡ ነቲ ብሽማግለ ዝተነድፈ ናይ ኣኼባ ኣገባብ ወይ ስርዓት ተሳተፍቲ ዋEላ


የጽድቕዎ። ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ምኽንያት Eንተዘይሃልዩ፡ ነቲ ብሽማግለ ዝተነድፈ ስርዓት
ኣይብድህዎን ወይ ኣይቅይርዎን።

10. ገምጋም ህሉው ኩነታት፣ Eቲ ዋEላ ብዛEባ ህሉው ኩነታት ሃገር ተማያዪጡ፡ ገምጋሙ
ብሓባራዊ ስምምE የስፍር።

11. ፖለቲካዊ ስርዓትን ቀጻሊ ጂዮግራፍያዊ ኣሃዱነትን ኤርትራ፣ ዋEላ፡ መሰረታዊ መትከላትን
Eምነትን ሓይልታት ህይወት ሃገር፡ ማለት ዝርዝራት ዲሞክራስን ዘሰንይዎ መትከላትን፡
Eንታይ ከም ዝኾኑ ዘመልክት፡ ኣብ ሓባራዊ ስምምE ዝተመስረተ ቻርተር የጽድቕ።

Eዛ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝትከለላ ኤርትራ ከም ፖለቲኮ-ጂOግራፍያዊት ኣካል፡ ማለት ከም


ፍልይቲ ሉዓላዊት ሃገር፡ ክትቅጽል ሙዃና Eተን ዘቑማኣ ብሄረ-ሰባት ብወከልተን ከም
ዝወሰናን ከም ዝኣወጃን ይግለጽ።

ኤርትራ ምስ ኩለን ጎረባብታ ሰላማውን ምትሕብባራውን ዝምድና ክህልዋ መትከላዊ Eምንቶ


ምዃኑ ብሓባራዊ ስምምE ኣብ’ቲ ቻርተር ይሰፍር።

12. ሙቛም መሰጋገሪ መንግስቲ፣ ዋEላ፡ ዲሞክራስን ግዝኣተ-ሕግን ዝመለለዪU ስርዓት


ምብጋስ ዝEማሙ መሰጋገሪ መንግስቲ ብሓባራዊ ስምምE የቕውም።

13. ሽማግለ ምንዳፍ ሕገ-መንግስቲ፣ ዋEላ፡ ኣብ’ቲ መሰረታዊ መትከላት ቻርተር ዝተመስረተ፡
ነታ ናይ 1952 ሕገ-መንግስቲ መበገሲት ብምግባር፡ ከምU Eውን፡ ነታ ብ1997 ዝተዳለወት
ንድፊ ቅዋም ከም ኣድላይነቱ ብምውካስ፡ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ንኽዳሎ ይውስን፡፡ ብዛEባ’ዚ
ጉዳይ’ዚ Eትዋፈር፡ ክIላታትን ሰብ ተሞክሮን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝርከቡዋ ሽማግለ ከኣ
የቕውም።

14. ሰሌዳ ጊዜ፣ ዋEላ፡ Eቲ ሕገ መንግስቲ ተዳልዩን ብህዝቢ ዝጸድቀሉን፡ Eማማት ብቅደም-
ተኸተል ዝኸፋፍል፡ ሰሌዳ ጊዜ ይውስን።

15. ብዝሐ ሰልፋዊ መረጻ፣ ዋEላ፡ ብመሰረት ናይ’ቲ ዝጸደቐ ሕገ-መንግስቲ፡ ብዝሐ-ሰልፋዊ
መረጻ መዓስ ከምዝካየድን፡ ኣብ ከባቢ ኣየናይ Eዋን ከኣ Eቲ ህዝቢ ዝመርጾ መንግስቲ
ከምዝትከልን ይውስን።

16. ሙቛም ተኻታታሊት ሽማግለ፣ ዋEላ፡ ንኣተገባብራ ውሳኔታቱ ብዝምልከት ሓንቲ


ተኻታታሊት ሽማግለ የቕውም። ብባህርያት ቀንዲ Aቀዋውማኣ፡ Eዛ ተኻታታሊት ኣካል ነታ
ወዳቢት ሽማግለ ትመሳሰል Eኳ Eንተኾነት፡ ብተወሳኺ ነተን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ዓበይቲ
ጉጅለታት በርገሳዊ ሕ-ሰብን ዝውክሉ ኣባላት Eውን ይህልዉዋ። ማEከላዊ Eማማ ኸኣ ኣብ
ቻርተር ዝሰፈረ ሓባራዊ ስምምE ኣብ ግብሪ ንኽውEል መታን፡ ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪካዊ
ማሕበራትን ግቡAን ይፍጽማ ንምህላወን ምርግጋጽ Iዩ።

- 48 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

10. መደምደምታ
ካብ 40ታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘመን ጀሚሩ፡ ሕቶ ሓድነት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ
መድረኻት፡ ማEከላይ ቦታ ሒዙ ክጓዓዝ ጸኒሑ’ዩ፡፡ ቀዳሞት ፖለቲከኛታት ኣቦታትና፣ ካብ’ቲ
Eድል ሃገሮም ንምውሳን ኣኽEሎ ዝረኸቡሉ መዋEል ጀሚሮም፡ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብEቱብነት
ተዋፈሩሉ፡፡ ሓድነት ሃገሮም ኣብ ክሊ ብዙሕነት ሕብረተ-ሰቦም ዝረጋገጽ ብመስርሕ ጠርናፊ
ዋEላ ሙዃኑ ብኣጋU ተገንዘቡ፡፡ ብኻልE ኣዘራርባ፡ ሓይልን Eብላለን፡ ነባሪ ቅሳነት ከውሕስ
ዘኽEል ሃገራዊ ሓድነት ዘየምጽE ንምዃኑ ኣንጊሆም ነቕሑሉ፡፡ ፍልልያትን ጎንጽታትን
ተዳቒሱ፡ ንሃገራዊ ሓድነትን ጥጥሐን Eምነ-መሰረት ክንጸፍ ዝከኣል፡ ብመስርሕ ዋEላ ኣቢልካ'ዩ
ብዝብል ተረድO Iዮም ንዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ ዝተሸባሸቡ፡፡

ኣብ ቤት ጊዮርጊስ፡ ኤርትራውያን ፖለቲከኛታትን ካልOት መራሕትን፡ ፍልልያቶም


ብዘየገድስ፡ ንመጻI Eድል ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ንባህርያት ዝምድናኣ ምስ Iትዮጵያ፡
ብዝርI ሓባራዊ ስምምE ክኽትሙን ክEውጁን ተስፋOምን ትጽቢቶምን ነበረ። Eዚ ግን
ብምኽንያት Eከይ ንጥፈታት ንጉሳዊ ስርዓት Iትዮጵያን ገለ ኤርትራውያን ተሓባበርቱን
ከይተማልA ተረፈ።

ኣቐዲሙ ከምዝተገልጸ፡ ኣቦታትና ነቲ ፈደራላዊ ስርዓት መንፈስ Eርቂ ኣብ ዘሰነዮ መስርሕ


ተቐቢሎሞ Iዮም። ብድሕርዚ፡ ነቲ ጎዲፉ ዝነበረ ኩነታት ክሕክሞ ዝኸEል ዝነበረ ጉባኤ ሰላም
ተገብረ። ቀንዲ ዋሕስነት Eቲ Eርቅን ፈደራላዊ ፍታሕን ግን Eቲ ውሽጣዊ ጉይትነት
ኤርትራን፡ ኣብ ክሉ ድማ ዲሞክራስያዊ ስርዓትን፡ Iዩ ዝነበረ። Eዚ ውሕስነት'ዚ Eውን
ብሰንኪ ድሕረትን ጎባጢ ውጥንን ስርዓት ሃይለ-ስላሴ፡ ክሕፈርን ክኽበርን ኣይተኻEለን።
ንጉሳዊ ስርዓት Iትዮጵያ፡ ምስ ኤርትራውያን ተሓባበርቱ ኮይኑ፡ ነቲ ማEከላይ ፍታሕን
ዋሕስነቱን ዝኾነ ኩነታት Eናኣበርዓነ ኣብ መወዳEታU ደርበዮ። ከምዚ ብምግባር ነቲ መሰረት
ሓባራዊ ስምምE ኣEኒዩ፡ ንጂዮግራፍያዊ ቅቡልነት ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ኣውደቖ።

ውልቀ-መላኺ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ Eውን ንኹለን (ካልOት) ውድባትን ሲቪካዊ ጉጅለታትን


ተፈላጥነት ብምንፋጉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ጸላEትን ዘይደቂ-ሃገርን ብምርኣይ፡ ሓባራዊ ስምምE
ንዝብል ሓሳብ ነጺጉ ንሓድነት ሃገር ኣብ ዓቢ ሓደጋ ኣEትዩዎ ይርከብ።

Eቲ ኣብ ቤት-ጊዮርጊስ መልሲ ክወሃቦ ትጽቢት ተነቢሩሉ ዝነበረ መሰረታዊ ጉዳይ፡ ሕጂ Eውን


Eምበኣር ኣዝዩ ህጹጽ ብዝኾነ መልክE ይብድሃና ኣሎ። ብኻልE ኣዘራርባ፡ ኣብ’ዚ ንህዝቢ
ኤርትራ ጽንኩር ኰይኑ ዘሎ መዋEል’ዚ፡ ብመትንታት ህይወት ሃገር፡ ማለት ብሓቀኛ
ተጣበቕቲ ዲሞክራስያውን ግዝኣተ-ሕጋውን ለውጢ፡ ዝካየድ ሃገራዊ ዋEላ፡ መቐጸልታ ዋEላ-
ቤት-ጊዮርጊስ Eዩ ክበሃል ይከኣል። ቀጻሊ ሃገራዊ ህላዌ ኤርትራ ቅቡል ሙዃኑ ብኹሎም
ኤርትራውያን ብነጻ ዝግለጽ Eምነትን፣ Eቲ ኣብ ሃገርና ዝነግስ ዲሞክራስያውን ግዝኣተ-ሕጋውን
ስርዓትን፡ ነቲ ክሳብ ሕጂ ገና ብኣድማEነት ዘይረወየ ዘሎ ባህግታት ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ
ዘማልU ቀንዲ ሮቛሒታት Iዮም። ብኻልE ኣዘራርባ፡ ሕጂ’ውን ሃገራዊ ዋEላ፡ ኤርትራ
Eንታይ ትኹን? ከም ዘላታ ትቐጽል’ዶ ወይስ ትበታተን? ንዝብል መሰረታዊ ሕቶ ብኣዎንታ
ክምልሾ ዝበቅE ህያው መስርሕ Iዩ፡፡

ብሓደ ሸነኽ ክርA Eንከሎ Eምበኣር፡ Eዚ ሕጂ ዝጥለብ ዘሎ ሃገራዊ ዋEላ ኣብ ኤርትራ ናይ


መጀመርታ ኣይኮነን፤ መቐጸልታ ቤት-ጊዮርጊስ፣ መቐጸልታ ጉባኤ ሰላም ሲነማ Iምፐሮ Iዩ።
Eዚ ዋEላ’ዚ ግን መጀመርያ ከምዘይኮነ፡ ናይ መወዳEታ Eውን ኣይኮነን። ኣብ ሃገርና ሓድሽ
ኩነታት ምስ ዝፍጠር፡ ማለት ኣብ ሓድሽ መድረኽ ምስ Eንኣቱ፣ ከከም ኣድላይነቱ፡ ዋEላታት
መመሊስካ ይግበር። ኣቐዲሙ ከምዝተጠቕሰ፡ ኣባሓጎታትና Eውን ነቲ ሕግታት Eንዳባ
በብEዋኑ ንኸሐድሱን ንኸማEብሉን መመሊሶም ዋEላታት ይገብሩ ነይሮም Eዮም።

ከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝኣመትናዮ፡ ብጊዜ ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስን ጉባኤ ሰላም ሲነማ
Iምፐሮን፡ Eቶም ተሳተፍቲ ብዛEባ ጉዳይ ሃገር፡ ማለት ንሃገርና ዝጠቕማ Eዚ Iዩ፣ የለን Eዚ
Eባ፡ ብዝብል ምስሕሓብ Eዮም ዝፈላለዩን ዝቃለሱን ዝነበሩ። ብኻልE ኣዘራርባ፡ ሽUU ኣነ

- 49 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ክመርሕ’ዶ ኣነ ክነግስ ዝብል ውልቃዊ ስስEቲ ዝደረኾ ምስሕሓባትን ምትንዃላትን ኣይነበረን።


ንኤርትራ ኣየናይ ይሓይሽ ዝብል፡ ንሃገር ዝምልከት ሕቶ’ዩ ዘዋጥጥ ዝነበረ። ሕጽር ብዝበለ
ቃላት ንምግላጹ፡ ሽEU Eቲ ቃልስታት ሃገራዊ ራEይ ዝሰረቱ Iዩ ዝነበረ።

በዚ Eዋንዚ ዘሎ ፍልልያት፡ Eንኮላይ ኣብ ውሽጢ Eቲ ተቓዋሚ ደንበ ዘሎ ፍልልያት፡ ግን


ካብ ናይ ውልቀ ሰባት ህርፋነ-ስልጣን ዝነቐለ ሕሙም መዳያት ዘለዎ Iዩ። Eዚ ሕሙም
መዳያት’ዚ ንተቓወምቲ ዓቢ ጸገም ኮይኑ ኣሎ፤ ክሳብ ሕጂ ዓወት ኣደናጒዮም ካብ ዘለዉ
ቀንዲ ረቛሒታት ሓደ Iዩ።

ኣብ’ቲ ዝግበር ዋEላ Eምብኣር፡ Eዚ ሕማም’ዚ ከምዘሎ ብምስትብሃል፡ ትኩር ሜላታት


Eንዳተጠቐምካ፡ ጽልዋታቱን ሳEቤናቱን ምቁጽጻር ከድሊ Iዩ። ሃገርና ኤርትራ በዚ ሎሚ
ተሮኽሚሻ ዘላ Eኮ፡ ጠገለ ዘይብሉ ስስA ዘጥቅO ሕሙም ግለ-ሰብ ገቢቱ ሒዙዋ ስለ ዘሎ Iዩ።

ካብዚ ነጥብ’ዚ ከይወጻEና ንኹነታት ዓለምናን፡ ንኣህጉራዊ ዝምድናታትናን፡ ንውልቃዊ ስስAን


ትርI ሓጻር ርEይቶ Aንቢርና ንድምድም።

ዳርጋ ካብ ፍጻሜ ዝሑል ኲናት ኣትሒዙ ኣመሪካ፡ Eንተውሓደ ብወተሃደራዊ መዳይ፡ ዳርጋ
Eታ Eንኮ ልEለ-ሓያል ኮይና ኣላ። መጠን ጽልዋኣ፡ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ካልOት
ስሉስ ዓለማዊ ሃገራትን፡ ኣዝዩ ዓቢ Iዩ። ኤርትራ፡ ብምኽንያት ጅዮግራፍያዊ ኣቀማምጠኣ፡
ንኣመሪካ ከምተገድሳ ኣቐዲምና ጠቒስናዮ Iና። ስለዚ Eምበኣር፡ ስርዓት Iሳያስ ብኸመይ
ከም ዝትካE ንመንግስቲ ኣመሪካ ከገድሳ ስነመጎታዊ Iዩ። ኣመሪካ፡ ዝደለየቶ ዓይነት
መንግስቲ ወይ ዝመረጸቶ ጉጅለ ንIሳያስ ክትክO ንምግባር Eውን፡ ዋላ ንገለ Eዋን Eንተኾነ፡
በዚ ሎሚ ዘየማትE ኣካላዊ ወይ ረጽማዊ ኣኻEሎ ከምዘለዋ ዘይምርዳE፡ ዳርጋ የዋህነት Iዩ።

ነዚ ብምልላይ ይመስል፡ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘለዉ ገለ ውድባት ወይ ጉጅለታት፡ ኧረ-ውን


ውልቀ-ሰባት፡ ብመንግስቲ ኣመሪካ፡ ብሓፈሽU ኸኣ ብምEራባውያን መንግስታት፡ ሓለፋ
ካልOት ውድባት ተፈላጥነትን ተቐባልነትን ንምርካብ ጻEርታት ክገብሩ ጸኒሖም Iዮም። Eዚ
ጻEርታት Eዚ ዝቕጽልውን ይመስል። Eዃ ደኣ፡ ገሊOም ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ጽቡቕ
ድልየት ናይ ኣመሪካ ንምኽሳብ፡ ኣብ ህልኽ ዝተሓወሶ ቅሉE ውድድር ዝጸመዱ ይመስሉ፡፡

Eዚ ኣዚዩ ሓደገኛ ዝኾነ ጸገምዩ። ጥንቁቕን ሓላፍነታውን ዝኾነ ኣተሓሕዛ ይሓትት። Eንታ’ዩ
Eዚ ጥንቁቕን ሓላፍነታውን ዝኾነ ኣተሓሕዛ? ጥንቁቕ ኣተሓሕዛ ማለት፡ ነቲ ዘሎ ጭቡጥ
ኩነታት ኣለሊኻ፡ ንኤርትራ፡ ማለት ንሓድነታን ንምEባለኣን፡ ክጠቅም ዝኽEል ዓይነት
ዝምድና ምስ ኣመሪካ Eንታይ ምዃኑ ምውሳንን፡ ክረጋገጸሉ ዝኽEል መንገዲ ምቕያስን
ማለት’ዩ። ሓላፍነታዊ ኣተሓሕዛ ማለት ከኣ ብዛEባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ትወስዶ ስጉምትታት ይኹን
ተካይዶ ዘመተታት ንሓድነት ኤርትራን ንጥቕሚ ህዝብናን ምግልጋል ካብ ዝብል መንፈስን
ሕልናን ዝተበገሰ ክኸውን ኣለዎ ማለት’ዩ።

ብጭቡጥ ኣዘራርባ Eምበኣር፡ Eቲ ምስ ኣመሪካ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ዝምድና፡ ኩለን Eተን
ተቓወምቲ ውድባትን ምንቅስቓሳትን ብሓባራዊ ስምምE፡ ንህዝብናን ሃገርናን ይጠቅም’ዩ Iለን
ዝኣመናሉን ዝተቐበልOን፣ ኩለን ከኣ ተሳንየን ዘካይድOን ክኸውን ኣለዎ። ከምቲ ኣቦታትና
ብጊዜ ዋEላ ቤት-ጊዮርጊስ፡ ዝምድናና ምስ Iትዮጵያ ዝኾነ-ይኹን፡ ኩላትና ዝተሳማማEናሉን
ንኹላትና ከኣ ማEረ ዝብጸሓናን ክኽውን ኣለዎ ዝበሉ፡ ንሕና Eውን ሕጂ፡ ዝምድናና ምስ
ኣመሪካ ንኹልና ብማEርነት ዝብጽሓና ይኹን ንብል። ካብU ተረፈ፡ ሓደ ውድብ ወይ ውልቀ-
ሰብ ብኣመሪካን ካልOት ምEራባውያንን ሓለፋ ካልOት ተቓወምቲ ክፍቶን ክEመንን
Eንተፈቲኑ፡ Eሞ Eንተሰሊጡዎ፡ ታሪኽ Iሳያስ ኣፈወርቂ ይድገም ኣሎ ማለት’ዩ። ንጸገም
ኤርትራን ኤርትራውያንን ከኣ ከይዱ-ኸይዱ፡ ካብ’ዚ ዘለዎ ንላEሊ ከግድዶ’ዩ ማለት’ዩ።

ሬሳ ኰይና ዘላ ሃገርና ኤርትራ ትንፋስ ንኽትዘርE መታን፡ መትንታት ህይወታ ክሕደሱ


ኣለዎም። Eዚ ዝኸውን ከኣ ፡በዚ ኣብ ላEሊ ዝተጠቕሰ መንፈስን መስርሕን፡ ኩሎም ሕብረተ-
ሰብኣዊ ክፍልታታ ኣብ ዝተወከሉሉ ዋEላ ንቐጻልነታን ንዘመሓድራ ስርዓትን ብዝምልከት፡
ሓባራዊ ስምምE ምስ ዝብጻሕን ዝEወጅን ጥራይ Iዩ።

- 50 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ኮነ ኣብ ህሉው መዋEል፡ Eዉት ሃገራዊ ዋEላ ዝተኻየደለን ሃገራት፡


ብብዙሕ መዳያት፡ ትርIት ተሃድሶን ዳግማይ-ምብርባርን ኮይነን Iየን፡፡ ናይ መንፈስን
ራEይን ተሃድሶ፤ ናይ ሓርበኝነትን መንነታዊ ሓበንን ዳግመ-ምብርባር ተጋሂዱለን Iዩ፡፡

ከምU ኸኣ Eምበኣር፡ Eዉት ዋEላ ኤርትራውያን፡ ንመንፈስ ህዝብና ኣሐዲሱ፡ ንህዋሳት


ሕብረተ-ሰብና ኣበራቢሩ፡ ትንሳኤ ኤርትራ ከበግስ Iዩ፡፡ ንሃገርና መንገዲ ህይወት ክኸፍተላ
Iዩ፡፡ ኮታስ፡ ብዘይ ኣጋንኖ፡ ሃገራዊ ዋEላና ዳግማይ-ውልደት-ሃገር ንዝብል ስያመ ዝበቕO
ታሪኻዊ ፍጻሜ ክኸውን Iዩ!!

- 51 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ጥብቆ

ሕቶ ብሄረ-ሰባት ኤርትራ

ባይቶ ሓድነት ኤርትራ


መስከረም 2002

ባይቶ ሓድነት ኤርትራ

ርEይቶ ካብ ባይቶ

ቁ. 1

ሕቶ ብሄረ-ሰባት ኤርትራ

ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ሕቶ ብሄረ-ሰባት ካብ ግዜ ብረታዊ ገድሊ ኣትሒዙ ከዛርብ ዝጸንሐ ጉዳይ


Eዩ። Eዚ ጉዳይ’ዚ ክሳብ ሕጂ ሓባራዊ ስምምE ዘንጸባርቕ መEለቢ ኣይረኸበን።

ሓያሎ ካብዘን ሕጂ ዘለዋ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ጉጅለታት: ብዛEባ’ዚ ሕቶ’ዚ ዝተፋላለየ:-


ገሊUስ ዘይቃዶውን:- ተረድOታትን መርገጻትን ኣለወን። ንኣብነት: መንግስቲ ህግዲፍ ነንበይኑ
ቋንቋታት ዝዛረባ ትሽዓተ “ብሄራት“ ኣለዋና ትብል። በዚ ኣበሃህላ’ዚ Eምብኣር ብመሰረቱ: ሓደ
ዝኾነ ቋንቋ ዝዛረቡ ዘበሉ ህዝቢ ሓደ ማሕበረ-ሰብ:- ሓደ “ብሄር“ ይቑጸሩ ማለት Eዩ።
መንግስቲ ህግዲፍ “ብሄራት“ ኣሎዋና ኣንተበለት’ኳ: ንመሰላት ናይተን “ብሄራት“ Eትብለን
ማሕበረ-ሰባት ብሓቂ ዝጣበቕ Eላዊ መርገጻት ይኹን ተግባራዊ ፖሊሲ የብላን።

ገለ ካብ ተቓወምቲ ውድባት “ብሄራት“ ኣለዋ ጥራይ ዘይኮነ: ነፍስ-ወከፍ “ብሄር“ መሰል ርEሰ-
ውሳኔ ኣለዋ ይብላ:: Eዚ መሰል’ዚ ክኣ ክሳብ ተፈሊኻ: ካልE ንስኻ Eትመርጾ ናይ መነባብሮ
መልክE: ንምርግጋጽ ዘኽEል ምዃኑ ይገልጻ። Eዘን ውድባት EዚAን ከምዚ ክብላ ኽለዋ:
ሸቶAን ንናይ ምፍላይ ሓሳብ ንምትብባE ከይኮነስ: ንዲሞክራስያዊ መሰል “ብሄራት“፤ ስለ’ዚ ኽኣ
ንቐጻሊ ሓድነት ኤርትራ መድሕን ንምርግጋጽ ምዃኑ ይሕብራ። በዚ Eዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ገለ
ካብዘን ውድባት Eዚኣተን፤ Eዚ መሰል “ብሄራት“ ክሳብ ምፍላይ ዝብል መርገጽ ዳግመ-ርEይቶ
መታን ክግበረሉ፤ ናብ ጎስጓስ ዝሃቀነ ክትዓት ዝካየድ ዘሎ ይመስል።

ካልOት ውድባት ክኣ ካብ’ዚ ኣዝዩ ዝርሓቐ ኣረኣEያ ኣለወን:: ሓንቲ ካብኣተን ንኣብነት:-
“ብሄራት“ ተባሂለን ክግለጻ ዝኽEላ: ማሕበረ-ሰባት የለዋን፤ Eተን ዘለዋና “ቀቢላታት“ Eየን:
Aንተዀና ትብል:: ከምዚAን ዝበላ ማሕበረ-ሰባት:- ማለት “ቀቢላታት“:- ክሳብ ንምፍላይ ዘኽEል
መሰል ርEሰ ውሳኔ ኣለወን: ንዝብል ርEይቶ ትቃወም።

Eዚ ኣብ ላEሊ ዝተጠቕሰ መርገጻትን: ከምU Eውን ዘይጠቐስናዮ ን“ብሄራት“ ዝምልከት ካልE


ርEይቶታትን: ኣEጋቢ ኮይኑ ኣይንረኽቦን። ንኣቀዋውማ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ብዝኣክል
ዘየለለየ፤ ንሳEቤናት ብዝርI ልቦና ዝውሓዶ፤ ብቑE ፖሊሲ ንምቕያስ: ዘይሕግዝ ኮይኑ
ይረኣየና።

ነዚ ሕቶ’ዚ ብዝምልከት Eንተነኣሰ ሓደ ርትዓውን: ክውንነታውን: ዝዀነ መርገጽን: ፖሊስን:


ንምምEባል ክሕግዝ ዝኽEል ተረድO: Eዚ ዝስEብ ይመስለና።

- 52 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ኣገላልጻ ማሕበረ-ሰባት

ኣብ ፖለቲካዊ ክልሰ-ሓሳብ: ክሳብ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ዝተራEያ: ማሕበረ-ሰባት ወይ ሰባዊ


ጉጅለታት: ብመሰረት ናይ ማሕበረ-ቁጠባዊ ደረጃ ምEባለ ዝተፈላለየ መጸውIታት ወይ
ኣገላልጻ ተዋሂበን Eየን። Eተን ቀንዲ ሰለስተ Eየን። ንሳተን ከኣ ቀቢላን: ብሄርን: ሃገርን
Eየን፡፡

ቀቢላ (ትራይብ)፣ ብዓጽመስጋዊ ዝምድና ወይ ክኣ ብናይ ወለዶ ሓድነት ጥራይ ዝቖመት: Eታ


ቦኽሪ ወይ ጥንታዊት ማሕበረ-ሰብ Eያ። ደርባዊ ቅርጻ ዘየማEበለት፣ ካብ ምዝመዛ ዝመንጨወ
ናይ ሃብቲ ፍልልይ ዘይብላ Eያ ።

ብሄር (ናሽናሊቲ)፣ ደርባዊ ቅርጻን ምስU ዝተተሓሓዘ ምምሕዳራዊ ወይ መንግስታዊ


ስርIታትን፥ ሓደ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝብን ዘለዋ ካብ ቀቢላ ዝማEበለት: ኣብ ናይ ጊላነት ወይ
መስፍንነት ደረጃ Eትርከብ ማሕበረ-ሰብ Eያ። ማሕበረ-ሰባት ካብ ቀቢላታት ናብ ብሄር ክዓብያ
ከለዋ፡ ቀንዲ መሰረት ኣቀዋውማAን ዓጽመስጋዊ ዝምድና ምዃኑ ተሪፉ፡ ሓባራዊ ተቐማጥነት
ወይ ግዝኣት Eንዳኾነ ይመጽE። Eቶም ህዝቢ ብቐዳምነት ከም ደቀባት ናይቲ ዝነብሩሉ
ፍሉይ ግዝኣት ይፍለጡ። ንመንነቶም ካኣ ብኸምU ይገልጹ። ብሄር፣ ርEሰ-ማልነት ገና
ዘይማEበለላ ብምዃና: ኤኮኖምያዊ ህይወት ናይቲ ሓደ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝባ: ዝተኣሳሰረ ወይ
ዝሰመረ ኣይኮነን፡፡ Eቲ ህዝቢ ብማሕረስ ይኹን ብመጓሰ: ወይ ብኻልE መዳይ: ኣብ ማEቶት
ክዋፈር ከሎ: ብመሰረቱ ኣቕሓ-Eዳጋ (ኮሞዲቲ) ኣፍርዩ ንኽሸይጥን ንኽልውጥን ከይኮነስ:
ንድራር Eለቱ ንዝጥቀመሉ ምህርቲ: መታን ንኽረክብ Eዩ። ስለ’ዚ Eቲ ህዝቢ ዝተነጻጸለ:-
ማለት በብጉጅለU: ወይክኣ በብማይቤቱ:- ነናቱ ኤኮኖምያዊ ህይወት Eዩ ዘለዎ።

ሃገር (ነሽን)፣ Eታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ዝተራEየት: ዝማEበለት ማሕበረ-ሰብ Eያ። ሓንቲ


ማሕበረ-ሰብ “ሃገር“ ንኽትብሃል EትበቅE: ብማሕበረ-ቁጠባዊ ምEባለ ኣብ ናይ ርEሰ-ማልነት
ደረጃ ምስ በጽሐት ወይ ኣደልዲላ ምስረገጸት Eዩ። ኣብ ሓንቲ ሃገር: ወይ ኣብ ሓደ ረEሰ-ማላዊ
ሕብረተ-ሰብ: መሰረታዊ Eላማ ማEቶት: ብቐጥታ ንድራር Eለት ጥራይ ዘገልግል ምህርቲ:
ንምርካብ ከይኮነስ: ዝሽየጥን ዝልወጥን: ኣቕሓ-Eዳጋ ንምፍራይ Eዩ:: ኣብ ዝኾነ ክፍሊ ናይታ
ሃገር ዝፈሪ ዘበለ ኣቕሓ-Eዳጋ ክኣ: ኣብ ዝኾነ ካልE ክፍሊ: ክሽየጥን ክልወጥን ይክኣል። ስለዚ
ኣብ ሓንቲ ሃገር: ነቲ ህዝቢ ብሙሉU ዘራኽብን ንሕይወቱ ዝትንክፍን ዝጸሉን: ሓደ መሰረታዊ
ኤኮኖሚያዊ ዝርገሐ ወይ መስርሕ Eዩ ዘሎ። ናይ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ Eንብኣር: ሓደ ቋንቋ
ዝዛረብን: ኣብ ሓደ ፍሉይ ቦታ ዝርከብን ጥራይ ዘይኮነ: ብኤኮኖምያዊ ህይወቱ ዝተኣታተወን:
ብቐንዱ ሓደ ስነ-ኣEምራዊ ባህሪ ዘሎዎን Eዩ።

Eዚ ኣብ ላEሊ ሰፊሩ ወይ ተመልኪቱ ዘሎ ገለጻ ምEባለ ማሕበረ-ሰባት: ኣዝዩ ሓፈሻውን:


መባEታውን: Eዩ። Eቲ ታሪኽን ኩነትን: ማሕበረ-ሰባት ዝተሓላለኸ Eዩ። Eቲ ሕቶ ከቢድን
በዳህን Eዩ። ብዛEባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ሓደ ፖሊሲ ንምቕያስ ብሓቂ ጥንቁቕን ፍትሓውን መጽናEቲ
የድሊ። ንኣብነት:- በዚ መዋEልዚ ንሓንቲ ማሕበረ-ሰብ: “ብሄር“ዶ “ቀቢላ“ዶ Iልካ መግለጺ
ወይ መጸውI ክትህባ: ቀሊል ከይከውን ይኽEል Eዩ። Eዚ ዝብሃለሉ ዘሎ መኽንያት: ገሊኤን
ማሕበረ-ሰባት: ኣብ ጉEዞ ምEባለ ዝነበራን ዘለዋን ኮይነን: ናይታ ቀጺላ EትስEብ: ምEብልቲ
ማሕበረ-ሰብ: ጠባይ’ውን ተሓዊሱወን ስለዝርከብ Eዩ። ብኻልE ኣዘራርባ ናይ ብሄር ተምሳላት
ዘለወን:- ማለት: ኣብ ብሄር ገጸን ዝምEብላ ዘለዋ:- ቀቢላታት ኣለዋ፥ ናይ ሃገር ጠባያት
ዘጨብጭባ (ዘጠጥዓ) ዘለዋ ብሔራት Eውን ኣለዋ። Eኳድኣ በዚ Eዋንዚ: ካብ ጽሩያት ወይ
ውጹኣት ቀቢላታት ወይ ብሔራት: ከምዚ ዝተጠቕሰ ሕውስዋስ ማሕበረ-ሰባት: ይበዝሓ ይኾና።
ብተወሳኺ ኣውሮጳዊ ባEዳዊ መግዛEትን: ኤኮኖምያዊ ምትEትታውን: ንመብዛሕትAን ወይ
ዳርጋ ንኹለን ማሕበረ-ሰባት ስሉስ ዓለማዊ ሃገራት: ጠባያት ርEሰ-ማልነት ብውሑዱ Eኳ
Eንተኾነ: ሸበብ ኣቢሉለን Eዩ። ስለዚ ውጹኣት:- ማለት ናይ ካልE ዓይነት ማሕበረ-ሰብ ጠባይ
ሕዋስ ፈጺሙ ዘይብለን:- ቀቢላታትን ብሄራትን: በዚ Eዋን’ዚ: ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ካልE
ሕበረተ- ሰባት: ክርከባ ዳርጋ ኣይክEላን Eየን።

ካብዚ ኣብ ላEሊ ዝሰፈረ መግለጺ ተበጊስና: ኣብ ሃገርና Eዚ ሕቶ ማሕበረ-ሰባትና: ተነካI


ከምዝኾነ ንርዳE። ብዓቢ ኣቕልቦ Eንተዘይኮይኑ: ስቕ Iልካ ርEይቶ ትፍንወሉን: መርገጽ

- 53 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ትውርውረሉን: ጉዳይ ኣይኮነን:: ንኣብነት:- ንሓንቲ ካብ ማሕበረ-ሰባት: “ቀቢላ“ ወይ “ብሄር“


Iልካ ምግላጽ: ደረጃ ምEባለኣ Eዚ’ዩ: Iልካ ምውሳን ማለት’ዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳኔ ክኣ:
ንገሊAን ማሕበረ-ሰባት ኣይማEበላን Iሉ ዘቆናጽብ: ነተን ካልOት ዝማEበላ Eየን Iሉ ዝንEድ:
መሲሉ ክርA ይኽEል Eዩ፣ ስለዚ ክኣ ዘይተደላዪ ቅርሕንቲ ወሊዱ: ምስሕሓብ ከስEብ ይኽEል
Eዩ።

ነዚ ኣብ ላEሊ ዝሰፈረ ነጥብታት: ኣብ ግምት ብምEታው: ንማሕበረ-ሰባት ኤርትራ Eንታይ


Iልና ንጸውዓየን? ንዝብል ሕቶ: ርEይቶ ንህበሉ።

ቀቢላ? ብሄር? ብሄረ-ሰብ?

ኣብ ኤርትራ ሃገር ተባሂላ ክትግለጽ ትኽEል: ማሕበረ-ሰብ የላን። Eዚ ዘካትE ኣይኮነን::


ብዛEብU ዛEባ ኣልIልካ ምክታEን ግዜ ምጥፋEን: ኣድላይ ኮይኑ ኣይረኸብናዮን። ኣብ
ኤርትራ ዘለዋ ማሕበረ-ሰባት ካብ ቀቢላታት ኣይሓልፋን Eየን: ዝብል ርEይቶ ቅኑE
ኣይመስለናን። ብደረጃ ምEባለ ካብ ቀቢላነት ኣመና ኣርሒቐን ዘይሰጎማ: ማሕበረ-ሰባት
ከምዘለዋና ዘይክሓድ ሓቂ Eዩ። ገሊAን ማሕበረ-ሰባትና ግን: ክሳብ ኣብ ናይ መስፍንነት ደረጃ
ምEባለ በጺሐን ዝነበራ: ስለዚ ክኣ “ብሄር“ ንዝብል መጸውI: Eንተውሓደ ንኽበቕEO
ዝመጣጠራ Eየን።

Eምብኣርከስ “ቀቢላ“ ይኹን ወይ “ብሄር“: ንኹለን ማሕበረ-ሰባትና ዝገልጽ ቃል ኣይኮነን::


ግጉይ ኣጠቓቕማ ቃላት Eዩ።

ብሄረ-ሰብ ዝብል ቃል ብብቕዓት ከገልግለና ዝኽEል ይመስለና። Eዚ ቃል Eዚ ምስቲ “ማሕበረ-


ሰብ“ (ኮሚኒቲ) ዝብል ቃል ዝተዛመደን: ምስU ዝተሰርA ትርጉም ዘለዎን ኮይኑ ንረኽቦ:: Eኳ
ድኣ ሃገር (ነሽን) ትኹን ብሄር (ናሽናሊቲ): ወይ ቀቢላ (ትራይብ): ብመሰረቱ ማሕበረ-ሰብ
(ኮሙኒቲ) ተባሂላ Eያ Eትግለጽ። Eንተኾነ ግዳስ: ኮነ Iልካ ብቕጽበት ትህነጽ ጉጅለ
ዘይኮነትስ፡ ኣብ ጉEዞ ታሪኽ Eትፈልቕ ወይ ዘገም Eናበለት EትመጽE ብምዃና፡ ካብ ካልE
ሰባዊ ምትEኽኻባት Eትፍለ ማሕበረ-ሰብ Eያ።

ብሄረ-ሰብ ክንብል Eንከሎና Eምብኣር: ሓንቲ ናታ ፍሉይ መንነታዊ ተሰምOን Eምነትን፡


ልሉይ ናታ ባህልን: ያታን: ታሪኽን ዘለዋ: ንነዊሕ ወለዶታት ዝነበረትሉን: Eትነብረሉ ዘላን:
ውሱን ቦታ ዘሎዋ: ማሕበረ-ሰብ ማለትና Eዩ።

ከምዚኣ ዝበለት ማሕበረ-ሰብ: ከም ናይ ካልOት ማሕበረ-ሰባት ቋንቋ ወይ ምስናይ ካልOት


ማሕበረ-ሰባት ቋንቋ ክረዳዳE ዝኽEል ልሳን: ክህልዋ ይኽEል Eዩ። Eንተኾነ ግዳስ: ከምቲ
ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ: ናይ ገዛE ርEሳ: ናይ መንነት ተሰምOን: ዝልለ ፍሉይ ባህላዊ ትሕዝቶን
ያታን ዘለዋ Eያ።

ከምU Eውን Eታ ማሕበረ-ሰብ: ንማሕበረ-ቁጠባዊ ምEባለ ብዝርI: ደረጃኣ ዝኾነ ክኸውን


ይኽEል Eዩ። ደረጃ ምEባለኣ ብዘየገድስ: Eታ ማሕበረ-ሰብ ብሄረ-ሰብ Eያ።

ብሄረ-ሰባት ኤርትራ

ኣብ ኤርትራ ዝተፈላለያ ብሄረ-ሰባት ኣለዋ። መብዛሕትAን ዝተፋላለየ ቋንቋታት ይዛረባ።


ገሊኣተን ግን ናይ ሓባር ቋንቋ ኣለወን። ንኣብነት:- ኣብ ባርካ: በኒ ዓምር፤ ኣልጋደን፤
ሰብደራት፤ ኣብ ሰንሒት: መንሳE፤ በጁክ፤ ማርያ: ኣብ ሳሕል: ሓባብ፤ ዓዲ ሸኽ: ኣብ
ሰምሃርውን Eተፈላለያ: Eሞኽኣ ዝበዝሓ: ማሕበረ-ሰባት ቋንቋ ትግረ ይዛረባ፥ ገሊAን ክኣ:
ተመሳሳሊ:- ማለት ክረዳዳE ዝኽEል ቋንቋታት: ወይ ልሳናት:- ይዛረባ። ንኣብነት: ሳሆን:
ደንከልን: ክረዳዳE ዝኽEል ልሳናት: ይዛረባ።

- 54 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

Eዘን ኩለን ዘለዋና ማሕበረ-ሰባት ግን:- ዋላኳ Eቲ ነፍሲ-ወከፈን ዝዛረብO ቋንቋ: ምስ ናይ


ካልOት ሓደ ወይ ዝረዳዳE Eንተኾነ:- ንናይ መንነት ሕቶ ብዝርI: ካብ ነንሓድሕደን ዝፈልየን
ተሰምOታትን: ባህልታትን: ያታታትን: ኣለወን።

Eቲ Eዘን ማሕበረ-ሰባትና ዘለወን ናይ ፍሉይነት ተሰምO: ንትሕተ-ሃገራዊ መንነት ብዝምልከት


ጥራይ Eዩ። ካብU ተረፈ: ምስቲ ኹሉ ካልOት ማሕበረ-ሰባት ዘራኽበንን: ዘዛምደንን:
ረቛሒታት ኣለወን። ከምዘለወን ክኣ ብጭቡጥ ዝተሞከርOን ዝፈልጥOን ዝኣምንOን Eዩ። ስለ’ዚ
Eምብኣር: ብሔረ-ሰባዊ መንነትን: ኤርትራዊ ሃገራውነትን: ኣይገራጮን Eዩ።

ብሄረ-ሰባትናን፤ ጉዳይ Eላዊ ቋንቋታትን ሃይማኖትን

ሕቶ ብሄረ-ሰባት ምስ ጉዳይ Eላውያን ቋንቋታት ሃገርን: ምስ ጉዳይ ሃይማኖትን Eውን


ዝተተሓሓዘ Eዩ። ንሕቶ Eላውያን ቋንቋታት ኤርትራ ብዝርI: በቲ ቅድሚ ሎሚ ዝተገብረ
ፖለቲካዊ ኣስተብህሎ: Iና Eንምራሕ። ካብ መወዳEታ ኣርብዓታት ጀሚሩ: Eላውያን
ቋንቋታት ኤርትራ: ትግርኛን: ዓረብኛን: ይኹና ዝብል ሓባራዊ ስምምE: ተበጺሑ Eዩ። ሽሕኳ
ዓረብኛ ዝዛረቡ ራሻይዳ ዝብሃሉ ማሕበረ-ሰብ Eንተሃለውና: ንዓረብኛ ከም ሓደ ካብ Eላውያን
ቋንቋታትና Eንቕበለሉ ዓቢ ምኽንያት: ኣብ ዝተፋላለየ ሸነኻት ሃገርና ዝውቱር ስለ ዝኾነን፤
ዝተፋላለየ ልሳን ዝዛረብ ገፊሕ ሸነኽ ናይ ህዝብና ስለዝደልዮን፥ ንEግበትን ምርድዳEን
ሃይማኖታዊ ጉጅለታትና ስለዝሕግዝን፤ ንጥጣሐን ሓድነትን ሃገርና ክኣ ስለዘጎልብትን Eዩ።

ንጉዳይ ሃይማኖት ብዝምልከት Eውን: ብሄረ-ሰባት ኤርትራ ዝተኣታተወ ዝምድናታት ኣለወን።


ሃገርና: ክርስትናን፤ ምስልምናን፤ ባህላዊ Eምነታትን ዝስEባ (ዝኽተላ) ብሄረ- ሰባት ዘለውኣ:
Eያ። መብዛሕትAን ብሄረ-ሰባትና: ንሃይማኖት ብዝርI ዝተሓናፈጸ ኣቃዋውማ Eዩ ዘለወን:
ክብሃል ይክኣል። ኣብ መብዛሕትAን: ሃይማኖት ክርስትናን: ምስልምናን ብሓባር ይርከባ።
ኣብተን ባህላዊ Eምነት ዝምለኸለን ብሄረ-ሰባትውን: ክርስትያንን ኣስላምን ኣለው። ኣብ
ማሕበረ-ሰባት ከበሳ፤ ሳሆ፤ ብሌን፤ መንሳE፤ ኩናማ ደቀባት ክርስትያንን ኣስላምን ኣለው።

ኣተሓሕዛ ጉዳይ ብሄረ-ሰባትና

ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ: ብምሉU Eኳ ጭቁን Eንተነበረ: ገለ ካብ ብሄረ-


ሰባትና: ብዓይነቱን: ብመጠኑን: ሕሉፍ ወይ ክኣ ብዝያዳ መሪር: ካብ ዝኾነ ጭቆና ተሳቒየን
Eየን። ሳEቤናትን በሰላታትን ናይዚ ጭቆና’ዚ: ብርUይ ኣሎ፥ ብዓቢU ክኣ ሕጂውን Eንተኾነ:
Eቲ ብሄረ-ሰባዊ ጭቆና: ብተግባርስ ብምሉU ወይ ብኹሉ ሸነኹ: ኣየልገሰን ኣሎ። ንሕና
ብማEርነት ናይ ኩለን ብሄረ-ሰባትና ንኣምን። ምስቲ ሃገራዊ መደባትን ፖሊሲን: ብዝሳነ ኣገባብ
ኩለን ብሄረ-ሰባትና: ኣብ ናይ ገዛE-ርEሰን ምምሕዳር: ዓቢ ግደ ይህልወን፥ ንቋንቋታተን
ንዝደልይO Eላማን መደብን ክጥቀማሉ፤ ብባህላዊ ትሕዝቶAን ክሕበና: ንኹሉ ሸነኻት ባህለን
ብዝኾነ ኣገባብ ከንጸባርቕO: መሰለን Eዩ:: ብተግባር ክኣ ይሕለወለን።

ብተወሳኺ Eተን ብንጽጽር ዝደሓራ ብሄረ-ሰባት፤ ብፍላይ Eኳ Eተን ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት:


ብሓያላት ወገናት ዝተመዝመዛን: ብዝተፋላለየ መንገዲ ዝተወጸዓን ብሄረ-ሰባት: ጉEዞ ምEባለAን
ንኽቀላጠፍ ብመንግስታውን: ዘይመንግስታውን ስርIታት ሓለፋ ሓገዝ ክግበረለን ኣለዎ።

ማEርነት ናይ ብሄረ-ሰባትና ምሕላውን ብተግባር ምርግጋጽን: መሰረታዊ ዲሞክራስያዊ መትከል


ጥራይ ኣይኮነን። Eንታይ ደኣ: ንቐጻሊ ሓድነት ሃገርና Eውን ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ሜላ Eዩ።
Eዘን ዝተፋላለያ ብሄረ-ሰባት: (ብሕልፊኳ Eተን ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ምሒር ጭቁናት ዝነበራ)
Eንተድኣ ብኤርትራውነተን ዓጊበን ጥራይ Eየን: ብፍታው ኣካል ኤርትራ ኮይነን ዝቕጽላ። Eዚ
ዝተጠቕሰ መሰላትን ክብርታትን Eንተድኣ ተነፊጉወን Eምብኣር: ኣካል ናይ ኤርትራ ንምዃን
ኣዎንታዊ ትርጉም ክስEናሉ Eየን። ኣብ ሓያሎ ብዝሐ-ብሄራዊ ሃገራት ከምዝተራEየ: ከም
ሳEቤን ናይ’ዚ ትርጉም-ኣልቦነት’ዚ ገለ ካብዘን ብሄረ-ሰባትና ኣካል ኤርትራ ምዃን ጸሊAን:
ክሳብ ንምፍላይ ክመጣጠራ ይግደዳ ይኾና። ኣብ ምፍላይ Eንተዘይኣድሃባ Eውን: ምስ ዝኾነ
ናይ ወጻI ሓይሊ ተሓባቢረን: ኣንጻር ጥቕሚ ሃገር ክዋፈራ ይኽEላ Eየን።

- 55 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

ከምዚ ዝበለ ጸገም መታን ከይመጽE Eምብኣር: ሕቶ ብሄረ-ሰባትና ብዓቢ ጥንቃቐን


ብፍትሓውነትን: ክትሓዝ ኣለዎ። Eኳ ድኣ፤ ንማEርነትን ምEባለን ብሄረ-ሰባትና ብተግባር
ምሕላቕን: ምትብባEን: ሓደ ካብቲ መሰረታዊ Eላማታት ናይ ሓቀኛ ሃገራዊ መንግስቲ ኤርትራ
ክኸውን ይግባE።

ባይቶ ሓድነት ኤርትራ


መስከረም 2002

- 56 -
መራኸቢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋEላ ንሓድነትን ድሕነትን ኤርትራ

መወከሲ

ኣለምሰገድ ተስፋይ፤ ኣይንፈላለ፡ ኤርትራ 1941-1950 (Asmara: Hidri Publishers


2001).

ኣልበርቶ ፖለራ፡ ደቀባት ህዝብታት ኤርትራ፣ (ተርጓሚ፡ ኣባ ይስሃቅ ገብረየሱስ) (ኣስመራ፣


ኣሕተምቲ ሕድሪ)

Michael Lund and Carlos Santiso, “National Conferences”, in Peter


Harris and Ben Reilly (eds.), Democracy and Deep-rooted Conflict:
Options for Negotiations (Stockholm: IDEA, 1998)

Jacques Mariel Nzouankeu, “The Role of the National Conference in


the Transition to Democracy in Africa: The Case of Benin and Mali”,
ISSUE, Vol. XXI/1-2 (1993)
Pearl T. Robinson, The National Conference Phenomenon in Francophone
Africa, (Seattle, Wash.: Thirty-Fifth Annual Meeting of the African
Studies Association, Nov. 1992)

John Heilbrunn, “Togo: The National Conference and Stalled Reform”,


in John Clark and David Gardiner (eds.), Political Reform in
Francophone Africa (Boulder: Westview Press, 1997)

Albert Soboul, Understanding the French Revolution, (New York:


International Publishers, 1988).

The Constitution of the Republic of Namibia, Act No. 1 of 1990


(Windhoek: Government of Namibia).

- 57 -

You might also like