You are on page 1of 6

ቤት ትምህርቲ ኤስ. ኦ.

ኤስ ሄርማን ግማይነር
መቐለ

2ይ መፋርቕ ራብዓይ ርብዒ ዓመት


ን6ይ ክፍሊ ዝተዳለወ ትምህርቲ ሕብረተሰብ
መዘክር

መዳለዊ/ት መምህር: ኣረጋዊ መሓሪ


ጉንበት 2012
ቁፅሪ ሞባይል ስልኪ: 0996877110

መቐለ /ትግራይ
ካልኣይ መፋርቕ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ን6ይ ክፍሊ ዝተዳለወ ሕብረተሰብ

ምዕራፍ ኣርባዕተ - ውራይ ህዝቢ


4.1 ምስ ህዝቢ ዝተዛመዱ ጉዳያት

4.1.1 ኣብ ምክልኻል ኤች ኣይቪ /ኤድስ ምትሕበባር ማ/ሰብ ዝህልዎ ዜግነታዊ


ሓላፍነት
ሀ. ኣድልዎ ፥ምግላልን ምፅያፍን ሕሙማት ኤች ኣይቪ/ኤድስ

ምኸንያታት

 ኤድስ ካብ ቁጠዐ ኣምላክ ዝመፀ እዩ ብዝብል


 ኤድስ ዝሓዞ ዓቅሚ የብሉን ብዝብል
 መተሓላለፊ መንገድታት ብዘይምፍላጥ
 እቲ ሕሙም ዝፍጥሮ ምንኣስ ዓርሰ እምነት

ኹነታት ምግላልን ምፅያፍን


 ብስድራ ዝረኣይ ምግላልን ምፅያፍን
 ኣብ ሰራሕ ቦታ ዝረኣይ ምግላልን ምፅያፍን
 ኣብ ሕ/ሰብ ዝረኣይ ምግላልን ምፅያፍን
- ዝካረ ገዛ ብምኸልኻል
- ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት ንከይርከብ ብምግባር
- ምሕማይን እንትሓልፉ ሕሹኸሹክ ምባልን

ለ.ምግላልን ምፅያፍን ሕሙማት ኤች ኣይቪ/ኤድስ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ፅልዋ

-ርክብ ስድራ ይዳኽም


- ሕሙማት ኤች ኣይቪ/ኤድስ ንኻልኦት ኣየምህሩን
- እቲ ሕማም ይጋፋሕ

ሐ.ግደ ማ/ሰብ ኣብ ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤች ኣይቪ/ኤድስ

ካብ ሕ/ሰብ ክግበሩ ዝግባኦም ክትትልን ክንክንን ዝስዕቡ እዮም ¦-

- ማሕበራዊ ዘተ ምክያድ
- ማሐበራዊ ውዳበታት ምጥንኻር
- ነፃን ግልፅን ዘተ ምክያድ
- ግደ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ምጥንኻር

ዕዮ ገዛ -1 ( ዕዮ ጉጅለ ገፅ 93 ) መተሓሳሰቢ :- ዕዮ ገዛ ዝብል ኣብ ደፍተር


ክፀሓፍ ኣለዎ ወለዲ ድማ ክፍርምሉ ቁፅፅር ክገብርሉ ኣለዎም

ቤትትምህርቲ ኤስ ኦ ኤስ ሄርማን ግማይነር መቐለ We Teach Children Not Subjects! ገፅ 1 | 5


ካልኣይ መፋርቕ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ን6ይ ክፍሊ ዝተዳለወ ሕብረተሰብ

4.1.2 ቕልጡፍ ዕብየት በዝሒ ህዝቢ

- ዓቀን ዘይብሉ በዝሒ ህዝቢ ዓለም ምውሳኽ ኣበ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት አቲ ዝዓዘዘ(ዝዓበየ)
እጃም ኣለዎን ኣብነት ኣብ ኣፍሪካ ዝርከባ ሃገራት

ሓፈሻዊ ዕላማ ፖሊስ ስነ -ህዝቢ ኢትዮጰያ ¦-

 ምምጥጣን ኢኮነሚን በዝሒ ህዝብን


 ቕልጡፍ ዕብየት ኢኮኖሚ ምምፃእ
 ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝግበር መጠን ፍልሰት ህዝብ ምንካይ
 ከባቢዊ ሓለዋን ክንክንን ምግባር
 ንደቂ ኣንስተዮ ካብ ፅዕንቶ ነፃ ምግባር
 ብቀሊሉ ንሓደጋ ዝቃልዑ ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ፍሉይ ጠመተ ሂበካ
ምሕጋዝ

ሳዕቤናት ቕልጡፍ ዕብየት በዝሒ ህዝቢ

ሀ. ከባብያዊ ብርሰት

ለ.ብርሰት ደኒ

-ሽፋን ደኒ ኢትዮጰያ ኣብ 1942 ዓ.ም. ፈ =16 % ነይሩ ኣብ 1972 ዓ.ም.ፈ = 3.6 %


ኣበ 1982 ዓ.ም.ፈ ድማ 2.8 % ነይሩ

- ኣብ ሃገርና ካብ 150,000 -200,000 ሄክታር ዝግመት መሬት ደኒ በቢ ዓመት ይበርስ

ሐ.ካብ ዓቀን ንላዕሊ መግሃጫ

-ልዕሊ ዓቀን ጋህፂ ሳዕሪ ብዝለዓለ ዝረኣይ ኣብ ደጉዓ ከባቢ እዩ።እዚ ድማ መብዛሕቶኡ
ህዝብን እንሰሳትን ኣብ ደጉዓ ሰለ ዝርከቡ እዩ።

መ.ብርሰት እንሰሳት ዘገዳም

-ኢትዮጰያ ዝተፈላለየ መልክኣ መሬት ስለ ዘለዋ ዝተፈላለዩ ዓይነት እንሰሳት ዘገዳም ኣለውዋ

-ብርሰት ደኒ ፍልሰት እንሰሳት ዘገዳም የሰዕብ

ረ. ፍግረ መሬት

-ፍግረ መሬት ምስ ብርሰት ደኒ ቀጥታዊ ረኸቢ ኣለዎ

-ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ፍግረ መሬት ዘለዎን ሃገራት ብቅደም ሰዓብ ህንዲ(6 ሚሌየን) -
ኮሎምብያ (4 ሚሌየን) -ኢትዮጰያ (2 ሚሌየን) ሜትሪክ ቶን ሓመድ ብብዓመቱ ብፍግረ
መሬት ይስእና

ቤትትምህርቲ ኤስ ኦ ኤስ ሄርማን ግማይነር መቐለ We Teach Children Not Subjects! ገፅ 2 | 5


ካልኣይ መፋርቕ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ን6ይ ክፍሊ ዝተዳለወ ሕብረተሰብ

ሰ. በዝሒ ህዝቢን ውሕስና ምግብን

- ውሕስና ምግቢ እኹልን ዝተማልአን ምግቢ ምርካብ እዩ

ዕዮ ገዛ -2 (ዕዮ ጉጅለ ገፅ 97 )
መተሓሳሰቢ :- ዕዮ ገዛ ዝብል ኣብ ደፍተር ክፀሓፍ ኣለዎ ወለዲ ድማ ክፍርምሉ ቁፅፅር
ክገብርሉ ኣለዎም

4.2 መሰላት ህፃናትን ድሕንነቶምን

4.2.1 መሰላት ህፃናት


ህፃናት ዝበሃሉ ¦-

- ዕደሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ

-ሕብረተሰብ ዝትክኡ

-ልዑል ሓገዝ ካልኦት ዝደልዩ

** ብ1987 ዓ.ም ዝፀደቀ ሕገ መንግስቲ ፌደራላዊ ዲሞከራስያዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጰያ


ዝተቀመጡ ሰብኣዊ መሰላት ዝስዕቡ እዮም ¦- መሰል

 ብሂወት ምንባር
 ድሕንነት ኣካል
 ካብ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ነፃ ሙኻን
 መሰል ዝተትሓዙ ሰባት
 መሰል ዝተኸሰሱ ሰባት ወዘተ እዮም

* መሰል ህፃናት ዝምልከት ኣብ ሕገ መንግስቲ ሃገርና ኣብ ዓንቀፅ 36 ዝተቀመጡ ዝስዕቡ


እዮም ¦-

፩ ብሂወት ምንባር ፥ክብሪ፥ ዜግነት ምርካብ፥ መዕበይቶም ክፈልጡ ፥ካብ ጉልበት ብዝበዛ
ነፃ ምዃን

፪ ደሕነነት ህፃናት ጠመተ ምግባር

፫ ኣብ ቤት ህንፀት ኣብ ፍሉይ መንበሪ ክነብሩ ምግባር

፬ ካብ ሓዳር ወፃኢ ዝተወለዱ ህፃናት ምሰ ብሓዳር ዝተወለዱ ህፃናት ማዕረ መሰል


ኣለዎም

፭ ብጉዱፈቻ ክነብሩ ይኽእሉ

ቤትትምህርቲ ኤስ ኦ ኤስ ሄርማን ግማይነር መቐለ We Teach Children Not Subjects! ገፅ 3 | 5


ካልኣይ መፋርቕ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ን6ይ ክፍሊ ዝተዳለወ ሕብረተሰብ

4.2.2 ኣብ ህፃናት ዝበፅሑ ሓደጋታትን መምለጢ መንገዲታትን


ሀ. ሓደጋ መኪና

 ኣብ ፅረግያ ኩዑሶ ምፅዋት


 ኣብ መኻይን ምንጥልጣል
 ናብ ዘይተፈለጠ ቦታ ምኻድ
 ሕግታትን ምልክታትን ተራፊክ ዘይመፍላጥ

ለ.ሓደጋ እነሰሳት

- ናይ ገዛን በረኻን እንሰሳት ሓደጋ የብፅሑ አዮም ኣብነት ዕቡደ ከልቢ ፥ዝብኢ፥
ተመን ፥ዕንቅርቢት

ሐ.ብሰንኪ ሕማቅ መሓዛ ዘጋጥሙ ሓደጋ

-ህፃናት ሕማቅ መሓዛ እንሃልይዋም ንሱስ ፣ስርቂ ፣ባእሲ ወዘተ ከቃልዕዎም ይኽአሉ እዮም

መ. ብኤለተሪክ መርዚ ባርዕ ሓዊ ነቶግትን ዘጋጥሙ ሐደጋታት ጠመተ ምሃብ

-ብሰንኪ ሓደጋ ነቶግቲ 85% ህፃናት ቅድሚ ናብ ሆስፒታል ምብፀሖም ይሞቱ

ሰ.ብሰንኪ ዝተበከለ ማይ ዘጋጥም ሐደጋ

-ብዝተበከለ ማይ ዝመፁ ሕማማት ኮሌራን ተቅማጥን ካብ ገለ ኣብነት እዮም

ዕዮ ገዛ -3 (ዕዮ ጉጅለ ገፅ -103)


መተሓሳሰቢ :- ዕዮ ገዛ ዝብል ኣብ ደፍተር ክፀሓፍ ኣለዎ ወለዲ ድማ ክፍርምሉ ቁፅፅር
ክገብርሉ ኣለዎም

4.2.3 ህፃናት ሓደጋ ካብ ዘብፅሑ ጉዳያት ምክልኻል

1.ኣስተምሀሮ ምሃብ
2.ሕ/ሰብ መሰረት ዝገበረ ፕሮጀክታት ምጥቃም

3.መራኸቢ ሓፋሽ ኝጥቃም

4.ግደ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ምጥኻር

5.ብህፃናት ባዕሎም ክግበሩ ዘግበኦም ጥንቃቀታት ዝብሉ እዮም

4.3 ጉዳይ ኣጋርነት ዘጎልብቱ ከባብያዊ ውዳበታት

ቤትትምህርቲ ኤስ ኦ ኤስ ሄርማን ግማይነር መቐለ We Teach Children Not Subjects! ገፅ 4 | 5


ካልኣይ መፋርቕ ራብዓይ ርብዒ ዓመት ን6ይ ክፍሊ ዝተዳለወ ሕብረተሰብ

4.3.4 ኣጋርነት በይነ መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪካ ኣብ ልምዓት(ኢጋድ)

 ኢጋድ ብ1986 ዓ.ም.ፈ ተመስሪቱ


 ዋና ቤት ፅሕፈት ኢጋድ ኣብ ጂቡቲ እዩ ዝርከብ
 ፈለማ ዕላማ ኢጋድ ድርቂ ምክልኻል እዩ ደሓር ኣብ ባንኪ፥ ንግዲ፥ ልምዓትን
፥ሰላምን መሰረት ገይሮም ይሰርሑ ኣለዉ
 ኣባል ሃገራት ኢጋድ ጂቡቲ ፥ኢትዮጰያ ፥ኬንያ ፥ታንዛንያ ሶማልያ
ኡጋንዳንእነትኾና ሃገረ ኤሬትራ 1993ዓ.ም.ፈ ኣባል ኾይና ኣብ 2007 ዓ.ም.ፈ.
ድማ ካብቲ ድርጅት ወፂኣ
ኣወዳድባ ኢጋድ 4ተ ክፋላት ኣለዎ¦ -
1.ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት-በብሓደ ዓመት ይካየድ
2.ቤት ፅሕፈት -በብዓርባዕተ ዓመት ዋና ቤት ፅሕፈት ሓላፊ ይምረፅ
3. ካውንስል ሚኒሰትራት -ሚኒስትራት ወፃኢ ሃገራት ይእከቡ
4.ኮሚቴ ኣምባሳደራት -ኣምባሳደራት ውሳነ ሃገራት የፈፅሙ

4.3.5 መድረኽ ሃገራት ተፋሰስ ናይል ( nile basin inititive)


 ኣባል እዚ መድረኽ ሃገራት ግብፂ፥ ሱዳን ፥ኤሬትራ ፥ኡጋንዳ ፥ሩዋንዳ ፥ብሩንዲ
፥ታንዛንያ፥ ኬንያ ኮንጎ ዲሞክራቲክ ሪፓክብ እየን
 ሩባ ናይል ብንውሓቱ ካብ ዓለም ቀዳማይ አዩ
 ሩባ ናይል ካብ ክልተ ላዐለዋይ ተፋሰስ ሃገራት ማለት ኡጋንዳን ኢትዮጰያን
ይጅመር(ይብገስ)
 ኢትዮጰያ ናብ ሩባ ናይል 86 % ትግብር ። ግብፅን ሱዳንን ታሕተዎት ተፋሰስ
ሃገራት ይበሃላ ናብ ሩባ ናይ ዘአትውኦ ማይ (ሩባ )የብለንን ።
 ውዕል 1929 ን 1959 ዓ.ም.ፈ ዝበሃል ኣብ ግዘ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተፈፀመ ውዕል
ኾይኑ ግብፅን ሱዳንን ጥራይ ንሩባ ናይል ክጥቀማ ዝፈቀደ እዩ
 ናይ 1929 ን1959 ውዕል ዘይፍትሓውን እዩ ብሙኻኑ ድማ ኣብ 2010 ዓ.ም.ፈ
ኩለን ተፋሰስ ሃገራት ብዘይካ ግብፂ ማዐረ ተጠቃምነት ሩባ ናይል ብዝብል
ተስማዕሚዐን እ
 ቀንዲ ዕላማ እዚ መድረኽ ተፋሰስ ሃገራት ዘስዕቡ አዮም
 ብፍትሓውን ብማዕረነትን ሩባ ናይል ብምጥቃም ማሕበራውን ኦኮነምያዊ
ልምዓትን ሃገራት ተፋሰስ ምርግጋፅ
 ሃፈቲ ሰላምን ፀጥታን ምርገጋፅ
 ውፅኢታዊ ምምሐዳር ማይ ምዝርጋሕ
 ዝተዋደደ ኢኮነምያዊ ልምዓት ምክያድ

ዕዮ ገዛ -4 መጠቃለሊ መልመዲ (ገፅ 115-116)


መተሓሳሰቢ :- ዕዮ ገዛ ዝብል ኣብ ደፍተር ክፀሓፍ ኣለዎ ወለዲ ድማ ክፍርምሉ ቁፅፅር
ክገብርሉ ኣለዎ

----------------ተፈፀመ-----------------

ቤትትምህርቲ ኤስ ኦ ኤስ ሄርማን ግማይነር መቐለ We Teach Children Not Subjects! ገፅ 5 | 5

You might also like