You are on page 1of 3

ጋዜጣዊ መግለጺ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ

ጋዜጣዊ መግለጺ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ

ሰላም ኣብ ሙሉእ ዓለምን ኣብ ውሽጢ ዓድን ዘለኻ ጭቁን ህዝቢ ኤርትራ፣ኣብ ዘዘለናዮ ሰላምን ጥዕናን ክህልወና ተስፋና ወሰን
የብሉን።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ 6 የካቲት 2018 መትከላዊ ፍልልይ ምስ ቦርድ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ብዝብል ቴማ፣ሓደ ዋናኡ
ዘይፍላጥ ጽሑፍ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ተዘርጊሑ ቀንዩ።እዚ ጽሑፍ እዚ ትሕዝቶኡ እንታይ ከም ዝመስል ንምንታይ
ዕላማ ከም ዘተዘረግሐን እኳ ኣብበትን ሰማዕትን ክትፍርድዎ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን።ዋንነቱ ንዝመልከት ግን ናይ ምንቅስቓስ
ንብሩህ መጻኢ ከም ዘይኮነን፣ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ሓላፍነት ከም ዘይወስደሉን ብትሕትና ንሕበረኩም።
ዝተፈተኻ ጭቁን ኤርትራዊ፣ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ከምቲ ንሕና እንፈልጦ፣ንስኻ ውን ዘይትስሕቶ ኣንጻር እቲ ንዓመታት
ፖለቲካዊ ባህልና ኮይኑ ዝጸንሐ ሓሶትን ምድንጋርን ዝቃለስ፣ሱር በተኻዊ ምንቅስቓስ ኢዩ።ስለዝኾነ ድማ ዘጋጥሞ ዝጸንሐ
ብድሆተታ ኣዝዩ ከቢድ ኢዩ።ቅድሚ ኣስታት 4 ኣዋርሕ ኣብ ሕዳር 2017 ኣብ እስራኤል ንዝነበረ ጭነፈር፣ዘይምኽኑይን
ዘይቅቡልን ፍልልይ ኣጋጢምዎ ከም ዘነበረ፣ኣብ እዋኑ ብመልክዕ፣ጋዜጣዊ መግለጺ ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ጭነፈር
ኢሰራኤል ብከምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ነይሩ። እዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ጽሕፍቲ ኣብ እዋኑ ብምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ጨንፈር
ኢስራኤል ዝተዘርግሐት ኢያ።
ኣገዳሲ ሓበረታ ካብ ምንክስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ጨንፈር እስራኤል
ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ጨንፈር እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ህዝባዊ ኣኬባ ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኢዩ።እቲ ኣኬባ
ከም ናይ ብሩህ መጻኢ ጨንፈር እስራኤል ከም ዘተጸውዐን ቅድሚ ኣኬባ ውን መጸዋዕታ ንኣኬባ ኣብ ፈይስ-ቡክ ከም ዘተጸውዐን
ኣስተብሂልምኩም ትኮኑ ኢኩም።
ይኩን እምበር እቲ ኣኬባ ንኩልና ኣባላት ምንቅስቓስ ብሩህ መጻኢ ዝውክል ኣይነበርን።እቲ ኣኬባ በቶም ዘካየድዎ ሰባት እኹልን
ንጹርን ሓበረታ ክወሃብ ነርዎ እንተኮነ ግን እቶም ነቲ ኣኼባ ዘካየዱ መራሕቲ ኣብቲ ኣኬባ ንጹር ሓበረታ ስለዘይሃቡ ሕጂ ሓበረታ
ክንህብ ተገዲድና።
ብሩህ መጻኢ ጨነፍር እስራኤል ነብሱ ዝኸኣለ ምምሕዳር ጸንሕዎ ኢዩ።እቲ ምምሕዳር ድማ ኣባላት ኣለዉዎ።ነቲ ብዕለት 11-
11-17 ዝተካየደ ኣኬባ ኣብ ምክንዋን ወይ ምውዳብ ግን ኣባላትን መራሕትን ጨንፈር እስራኤል ኣይተሰማምዑን።ኣብ መንጎና
ፍልልይ ስለ ዝነበረ ድማ ንሕና እዞም ሕጂ ሓበረታ ንጽሕፍ ዘለና መጀምርያ ውሽታዊ ሽግራትና ንፍታሕ ቕድሚ ሕዝባዊ እኬባ
ምውዳብና ክንብል ከሎና፣እቶም ነቲ ኣኬባ ዘካየዱ ግን ኣይፋልናን ህዝባዊ ኣኬባ ኢና ንግብር ብማለት ስለዘቕበጹ፣በዚ መሰረት
ድማ በሉ ደሓን ይግበሩ ብማለት ክሳብ ኣኬባ ዝሓልፍ ክንጽበ ጸኒሕና።ኣብቲ ኣኬባኦም ግን ምስ መርሕነት ፍልልይ ከም ዘለዎም
ደኣ እምበር ነቲ ኣብ መንጎ ኣባላት ዘሎ ፍልልይ ከይ ገለጽዎ ስለዝሓለፉ፣ንኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለዉ ዜጋታት ድማ ኣብ ሶሻል
ሚድያ ጉጉይ ሓበረታ መታን ከይ መሓለለፍ ንሕና ኣባላት ብሩህ መጻኢ ጨንፈር እስራኤል ነዚ ሓበረታ ንኩሎም ዜጋታት
ነመሓላልፍ ኣለና።
ኣብ ኣኬባ ከም ዘገለጽዎ ነቲ ግዝያዊ ቦርድ ምንቅስቓስ ዲክታተርን ብሕጊ ዘይቅየድን ምኳኑ ኢዩ።እዚ ኣገላልጻ ንሕና ልክዕ ኮይኑ
ኣይረከብናዮን።
1.ምንቅስቓ ንብሩህ መጻኢ መሪሕነት ኣለዎ ክትብሎ ውን ኣጸጋሚ ኢዩ።መኽንያቱ ገና ጉባኤ ውን ኣይገበርናን፣ግዝያዊ ቦርድ
ምንቅቓስ ካብ ዝመረጽ ሓደ ዓመት ጥራይ ገሩ ኣሎ።ክሳብ ጉባኤ ክመርሓና ኢና ድማ ግዝያዊ ስልጣን ሂብናዮ ዘለና።ቦርድ ገና
እኩል ሓይሊ ሰብን ቁጠባን ስለዘይብሉ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ምስቶም ኣባላት ኢና ዝብሉ ርክብ እንዳ ገበረ ነቲ ምንቅስቓስ ኣብ
ምምራሕን ምውህሃድን ተራኡ ይጻወት ምህላዉ ደኣ እምበር ንዓና ዲክታቶር ምኳኑን ብሕጊ ከም ዘይቅየድን ኣይተራእየናን።
2.ሽግር ኣሎ እንተ ተበሂሉ ውን ውሽጣዊ ሽግርና ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ናብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብሓን ምጉያይን ህዝባዊ ኣኬባ
ጸዊዕካ ንህዝቢ መደናገሪ ሓበረታ ምሃብን ቅቡል ኮይኑ ኣይረከብናዮን።
3.ኣብቲ ህዝባዊ ኣኬባ ከም ዘተዓዘብኩሞ ንመሪሕነት ምንቅስቓስ ንኩንኖ ክብሉ ተሰሚዖም፣ምስ ሓደ ዝኮንዎ ውድብ ብከመይ
ኢዮም ክቕጽሉ ውን ንጹር ሓበረታ ኣይሃቡን።
መደምደምታ
ስለዚ ንሕና ኣባላት ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ጨንፈር እስራኤል ኩሉ ነገራቶም ክበርሃልናን ድሌታቶም ክንጽረልናን ስለዘይከኣለ
ብናትና መንግዲ ምስቶም ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለዉ ኣባላት ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢን ግዝያዊ ቦርድ ምንቅስቓስን ክንቅጽል
ምኳና ንኩሎም ዜጋታት ንሕብር።
ኣኬባ ምክያዶም ኮነ ካልእ ደስ ዝበሎም መንግዲ ምምራጾም መሰሎም ምኳኑ እንዳ ኣስመርና ምዞም ዜጋታት ምንም ዘተሃላልኽን
ዘባእስን መኽንያት ከም ዘይብልና ድማ ክንሕብር ንፈቱ።ብመስረቱ ቃልሲ ኢዩ ኣራኺቡና ቃልሲ ድማ ይፈላልየና ከም ዘሎ
ጥራይ ነስምረሉ።
ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ጨንፈር እስራኤል

እዞም ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ጽሕፍቲ ዝዘርግሑ ኣባላት ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ከኣ ከም ብሓድሽ ናይ ኣባላት ኣኬባ
ጸዊዖም፣ዳግመ ውደባ ብምግባር ካብቲ ናይ ቀደም ብዝበለጸን ብዝጸፈፈን፣ምስ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘለዋ ጨንፈራት
ቀጺሎም።ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ከኣ ምስ ኩለን ጭነፈራትን ምስ ግዝያዊ ቦርድ ምንቅስቓስን ብምትሕብባር ግዝያዊ፣ባይቶ
ምንቅስቓስ ኣቒሞም ብጣዕሚ ጽቡቕ ይቕጽሉ ኣለዉ።ኣብዚ እዋን ምንቅስቓስ ንብኢህ መጻኢ ኣዝዩ ጽቡቅ ኢዩ ዘሎ።

ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ከም ፖሊሲ፣ንፍልልያት ከም ጸጋ ተቐቢልካ ተኸባቢርካ ምቅላስን ምንባርን ኢዩ


ዝኣምን።ስለዝኮነ ድማ ነቶም ካብኡ ዘተፈልዩ ዜጋታት ኣኽቢሩን ኣብ ሕነ ምፍዳይን ቆይቋን ከየድሃበ፣ቃልሱ ክቕጽል
ጸኒሑ።እቶም ካብዚ ምንቅስቓስ ዘተፈልዩ ኣሕዋትና ግን ኣብ ሳይበርን ኣብ ባይታን ተጻብኦታት ክገብሩልና ጸኒሖም ኢዮም።ኣብ
ውሽጢ እቲ ገና ዘይደልደለ፣ጨንፈራት፣ ሶሊኾም ብምእታው ልክዕ ከም ንጸላኢ ምስጥራት ክወስዱን፣ካብ ናብ ከላኽዑን
ጸኒሖም።ምንቅስቓስና ግን ዛጊት ጸላኢ ኮነ ፈታዊ ዘይፈልጦ ምስጥር ስለዘይብሉ፣ንዓና ከምጽኡልና ዝኸኣሉ ጸገም
ኣይጸንሐን።ንሕና ውን ብዙሕ ግምትስ ኣይሃብናዮምን።ምናልባት ንገለ ኣብ ኣዝዩ ትሑት ንቕሓት፣ዝጸንሑ ኣባላትና ምስ
መራሕትን ንሓድሕዶምን ከቀያይምዎም ኪሎም ይኾኑ፣

ካብኡ ሓሊፎም ድማ ንኣባላት ቦርድ ሓደን ውሉድ እቲ ሓደን ጓና፣ሓደን ፈላጥ ኣቲ ካልእን ደንቆሮ፣ሓደ ዲሞክራስያዊ እቲ
ሓደን መላኺ፣ሓደን ዋና እቲ ሓደን ሰራሕተኛ። ሓደን ጎይታ እቲ ካልእን ጊላ ኣምሲልካ ክትፈላልዮም እሞ እንተሰሊጡስ ሓደ
ካብቶም መራሕቲ ለኪምካ፣ነቲ ውድብ ኣብ ክልተ ከም ዘተመቕለ ገይርካ ምድንጋር ተፈቲኑ ክሰልጥ ኣይከኣለን።

እዚ ኩሉ ምስላጥ ምስ ኣባየ ከኣ ከምቲ ኩልና ዘረኣናዮ፣ፈጻሚ ኣካል ምንቅስቓስ ብሩህ መጻኢ ን ኤርትራ፣ብዝብል ናይ ሓሶት
ማዕረገ ስልጣን ጽሒፍ ዘርጊሖም።

እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ፋይስ ቢክ ኮነ ፓልቶክ ንዝነጥፉ ዜጋታት ብዙሕ ከደናግር
ስለዘይክእል፣ናብ ኣውድዮ*ድምጺ* ተቐይሩ ናብ ዩቱብ ከም ዝኣቱ ውን ተገሩ ኣሎ።ንገለ ዉሑዳት ደገፍትን ፈተውትን
ምንቅስቓስና ኣደናጊሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓፈሻ ተቓላሳይ ድማ ብፍላይ እቲ ዘተዘርግሐ ጽሒፍ ናይ
ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ከም ዘይኮነን።ምንቅስቓስ ንቡህ መጻኢ ኤርትራ ግዝያዊ ቦርድን ግዝያዊ ባይቶን እምበር
ክሳብ ሕጂ ፈጻሚ ኣካል ከም ዘይብሉን ክንሕብረኩም ነፈቱ።

መደምደምታ

ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ፣ምስ ኩሉ ሕጽረታቱን በዳሂ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርናን ኣብ ኣዝዩ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘሎ
ንኩሉ ደላይ ጽቡቕ ክንሕብር ከሎና ዝስምዓና ሓጎስ ወሰን የብሉን።ምንቅስቓስኩም፣ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ ፣ካብቲ
ሃገራዊ ኣይኮነን ዝበሃለሉ ኩነታት ወጺኡስ እንኮ ህዝቢ ብኣወንታ ኮነ ኣሉታ ክዛረበሉ ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ ምቅስቓስ
ኢዩ።ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ፣ህዝቢ ናቱ ምኳኑ ድሮ ተረዲእዎስ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ክከላኸለሉ
ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ።እቶም ኣብ ገገዛኹም ኮይንኩም ብመንፈስን ብሕልናን ብሞራልን ትሕግዙና ዘለኩም ድማ ካብ ልሚ
ነመስግነኩም።

ምንቅስቓስና ናይ ጭቁናት ምንቅስቓስ ኢዩ።ስለዝኮነ ድማ ንህላዉኡ ክብል ኩሉ ግዜ ኣብ ጎኒ ጭቁናት ኢዩ።ንተበታቲኑ ዘሎ


ጭቁን ህዝቢ ተወዲቡን ተቓሊሱን ክብረቱ ክመልስ ድማ ኩሉ ዝኽእሎ ክገብር ድሉው ምኳኑ እሕብር።እዞም ሕጂ ካብዚ
ምንቅስቓስ ተፈልዮም፣ኣንጻርና ዘተፈላለየ ጸለምን ጠቐነን ዝገብሩ ዘለዉ ጭቁናት ከኣ ሓደ ክልተ ዓመጽትን ተበልጽትን ግዲፍካ
ናይ ጽባሕ ንግሆ ብጾትና ምኳኖም ስለ እንግንዘብ ንኩሉ ብዓቕልን ተመጣጣኒ ግብረመልሲ እንዳ ሃብናን ክንቃለስ ኢና።

ምንቅስቓስ ንብሩህ መጻኢ ኤርትራ

10-02-2018

You might also like