You are on page 1of 4

መነሻው ምንድ ነው ማንስ አፈለቀው

ባድሜን ለመሸጥ ህጉን ያረቀቀው


ኣረ ግልፅ ይሁን ኣገሩም ይወቀው
እኔስ ዝም ኣልልም ኣገሬ ተሸጦ
እንስሳ ኣረገኝ ሰውነቴን ለውጦ
ትናንትን ወድሶ መካድ ምን ኣመጣ
ቁርስ እንዳልበላ ቡናችን እንዳልጠጣ
የወደደን መስሎ ካራ ይዞ መጣ
መሬታችን ቆራርሶ ኣረገን ባላንጣ
እንታይ በለት እንዳባጉና እንታይ በለት ሽረ
ቆራፅ መራር ሓሞት በዓልቲ ቁምጣ ስረ
እንታይ በለት ሰልኬ እንታይ በለት ዉቕሮ
ባድመ ተሸይጣ ጥረሓ እንትትቀሪ ሸራሮ
እንታይ በለት ዓድዋ እንታይ በለት ኣኽሱም
ትግራይ ቆራሪፆም እንተብልዋ ክርትም
ወይከ ሰብዶ የለን ስለ ዓዱ ዝሓምም
እንታይ በለት ሓውዜን እንታይ በለት ዓጋመ
ኤርትራ እንትትከውን፣ ትግራወይቲ ባድመ
እንታይ በለት ውቕሮ እንታይ በለት መቐለ
ኢሮብ ተነፂላ ካብኣ እንትትፍለ
እንታይ በለት ዓዴት እንታይ በለት ዛና
ዘላምበሳ ተቖሪፃ እንትጠፍእ ዓይና
ደደቢትከ እንታይ በለት መሰረተ ትግራይ
ዓዲ ዳዕሮ ዓዲ ነብሪኢድ ዓዲ ሃገራይ
ሰሚዐን ሱቕዶበላ! ኢለን ድየን ሕራይ
ኮረም ምስ ማይጨው ራያ ኣላማጣ
መኾኒ እኒ ኦፍላ በዓል ስረ ቁምጣ
እንታይ በለ ህዝቢ ናይ ሑመራ
ዓዲ ጎሹ ዳንሻ ተከዘ ማይ ካድራ፡፡
እንታይ ደኣ እዮም ዝብሉ እኒ በዓል ገዱ
ተመለሱ ደኣ በልዎም ኧረ እንታይ እዩ ጉዱ
ኧረ ንገርዎም ባንዴራና ኣይቕደዱ
ኣብ መገዛእ ገዝኦም ሓዊ ኣይእጎዱ
መሰል ኣይበሉ ገደብ ዘየብሉ መሰል
ሰላማዊ ይበሃል ሱቕ ኢልካ ንይመስል
ሕጊ ፋላሲ መሃርዎም ሂዎቶም
ከይቕምሰል

You might also like