You are on page 1of 154

 መንግስቲ ስርዓትን ምምሕዳርን ግብርን ታክስን

ግልፅነት፣ተሓታትነትን ሓላፍነትን ብዘለዎ መንገዲ


ንምትግባር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብርክት ዝበሉ አዋጃት
፣ደንብታትን መምርሕታትን ግብሪ ኣብ ስራሕ ክውዕሉ
ገይሩ ኢዩ፡፡እቶም ህግታት ኣብ ተግባር ዊዒሎም እቲ ዝድለ
ውፅኢት ከምፅኡ ዝኽእሉ በብብርኩ ዝርከቡ ኣከብቲ
ግብሪ፣ኪኢላ ኦዲትን፣ኪኢላ ሒሳብን ኸፈልቲ ግብሪ
ብግልፅን ብቐሊሉን ክርድእዎም እንተኺኢሎም ኢዩ
በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልልና እቶም ዝወፅኡ ህግታት ግብሪ፣
ኣብ’ቲ ፈፃሚ አካልን ኸፋሊ ግብሪ ሕ/ሰብ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ
ንክህልዎም ዝተፈላለዩ ፅሑፋት፣ ማንዋላትን ብምድላው ሰፋሕቲ
ስራሕቲ እናተግበረ መፂኡ ኢዩ፡፡ ፅፉፍ ግልጋሎት ብምሃብ ዕግበት
ተገልገልቲ ንምርግጋፅን ሓላፍነት ብዘለዎ መንገዲ ተግባራዊ
ንምግባር ስልጠና ንኪኢላታት ኦዲት ንምሃብ ዝሕግዝ ማንዋል
ምድላውን ምዝታይን ከምኡውን ኣብ ኣወሳስናን ኣተኣኻኽባን ሰብ
ሞያ ዝፍጠሩ ድኽመታት ከም ኽእለት፣ፍርሒ/ስግኣት ምሕዳር
፣ኮነኢልኻ ተገልገልቲ ምንግልታዕ ዘኣመሳሰሉ ብኣጠቀላሊ ክራይ
ኣካብነት ኣተሓሳስባ ንምፅባብ እቲ መድረኽ ንሰብ ሞያ አገዳሲ
ኮይኑ ኣሎ፡፡ ስለ’ዚ ኣብ ኩሎም ከፈልቲ ግብርን ኪኢላ ሒሳብን
ኣብ ተመሳሳሊ ግንዛበን ፍልጦን ንምብፃሕ ሓደ ዓይነት ኣሰራርሓ
ንክህሊ ኣብ ቐፃሊ 2006 በጀት ዓመት ዝተትሓዘ ዝተለጠጠ ሽቶ
ንምዕዋት ሓደ ዓይነት ምርድዳእ ዘድልዮም ዝበልናዮም ብክልል
ዝተጠመሩ ሓሳባት ተዳሊዩ ቀሪቡ ኣሎ።
 ቀንዲ መበገሲ ናይ’ዚ ክልላዊ መድረኽ ብክልል ዝተዳለዉ
መስርሓትን ቕጥዕታትን ሓደ ዓይነት ንክናበብ፣ሓደ ወጥ
ዝኾነ ኣሰራርሓን ኣተሓሳስባን ኣብ ባዓልሞያ ንክህሊ ፣ዘለዉ
ክፍተታት ንምፅባብ ንዓርሰ እምነት ኣሕዲሩ ቁልጡፍ
ግልጋሎትን ዝተትሓዘ ትልሚ ተመጣጢርካ ንክፍፀም፣ኣብ
ቐፃሊ ዝዋሃብ ስልጠና ሓገዝቲ ዝኾኑ ሓሳባት ንምጥማርን
ዝዓለመ እዩ።
 ናይ ንግዲ ስርዓትን ልውውጥን ግልፅነትን ተሓታትነትን
ስርዓት ብምዝርጋሕ እቲ ባዓል ሞያ ነቲ ግብርን/ታክስን
ስርዓት ቅልጡፍን
 ኣብ ምእካብ ግብርን ታክስን ኣተሓሕዛ ሒሳብ
 ሜላ ተ.እ.ታ. ኦዲት/ሜላ ኣመራምራ ቫት/
 ምስ ክኢላ ሒሳብ ዝላዓሉ ሓሳባት ምርድዳእ ዝተበፀሖም
 ምስ ኪኢላ ኣወሳስናን ኣተኣኻኽባን እቶት ዝላዓሉ ሓሳባት
ምርድዳእ ዝተበፅሖም
 ንምይይጥ ዝተዳለዉን ካብ መድረኽ ዝላዓሉ ሓሰባት
ብጉጅለ ሓሰባት ምልውዋጥን ኩሉ ባዓልሞያ ክናበብ
ምኽኣል እዮም፡፡
ናይ ግብሪ ከፈልቲ ብርኪ ኣወዳድባን ኣታዊ መፈለጢ ግዜን
ብርኪ “ሀ” ፤- ናይ ዓመት ኣታዊኦም ልዕሊ 500ሽሕ ብር
ኾይኑ መፍለጢ እዋኖም ካብ ሓምለ 1 ክሳብ ጥቅምቲ 30
ብርኪ “ለ” ፤-ናይ ዓመት ኣታዊኦም ካብ ብር 100 ሽሕን
ካብኡ ንላዕልን ዝኾኑ ኮይኖም ኣታዊ መፍለጢኦም ድማ
ካብ ሓምለ 1ክሳብ ነሓሰ 30
ብርኪ “ሐ” ፤- ናይ ዓመት ኣታዊኦም ክሳብ ብር 100 ሽሕ
ዝበፅሕ ኾይኑ መፍለጢ እዋኖም ካብ ሓምለ 1 ክሳብ
ሓምለ 30
ትርጉም ኦዲቲንግ
 ካብ ዝኾነ ዓይነት ህሊናዊ ይኹን ቁሳዊ ፅዕንቶ ነፃ ኾይንኻ
ግቡእ ምፅራይ ምግባር፣
 ውፅኢት ምርመራ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ርኢቶ ዝቐርበሉ
ስርዓት እዩ፣
 ኦዲተር ድማ እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ተግባር ዝፍፅም በዓል
ሞያ ማለት እዩ፡፡
 ኦዲት (Audit) ዝብል ላቲን ቃል ትርጉም ድማ ምስማዕ
(To hear) ማለት እዩ፡፡
 ኣብ 1464 ጣልያናዊ ሉካ ፓሲኣሎ ናይ ድርብ ሒሳብ ኢንትሪ
(Double entry) ሲስተምን ናይ ኦዲተራት ሓላፍነትን
ተግባርን ብምግላፁ ናይ ኦዲቲንግ ወሰን (Scope) ክስርሑ
ከምዝከኣሉ ነዚ ኣመልኪቱ ዝተፅሓፉ ስነ ፁሓፋት የረድኡ፡፡
4.1. መዓቀኒታት ኦዲት
ሓፈሻዊ መዓቀኒታት (General Standards)
 እኹል ስልጠናን ሞያ ብቕዓትን(Proficiency)
 ነፃ ምኻን (Independency
 እኹል ሞያዊ ጥንቓቐ - (Due core)
4.2. መዓቀኒታት ስራሕ ፊልድ (Field work
standards)
 እኹል ምድላውን ገምጋምን ምግባር
 ፅንዓትን ገምጋምን ውሽጢ ቑፅፅር
 መረዳእታ ምርካብ
4.2. መዓቀኒታት ፀብፃብ ኣቀራርባ (Reporting
standards
 መትከላት ኣትሓሕዛ ሒሳብ ኣብ ስራሕ ምውዓሎም
ምግላፅ
 እኩል መግለፂ ምሃብ
 ዝተረጋገፀ ኣሰራርሓ /ስርዓት ምህላው ምርግጋፅ
 ሪኢቶ ምግላፅ
ሀ. ስሕተት ዘይብሉ ሪኢቶ (Unqualified opinion)
ለ. ስሕተት ዘለዎ ሪኢቶ (Qualified opinion)
ሐ. ሪኢቶ ዘይምሃብ (Disclaimer opinion)
መ. ኣሉታዊ ሪኢቶ (Adverse opinion)
1. Performance Audit
2. Financial Audit
3. Compliance Audit
4. Tax Audit
 ኣብ ሓደ ሃገር ውሽጢ ኣብ ስራሕ ዘለዉ ኣዋጃት፣ ደንቢታት፣
መምርሒታትን ማንዋላትን ግብሪ መሰረት ገይርኻ ግቡእ ግብርን
ታክስን ንምውሳን ዝግበር ምርመራ ሒሳብ መግለፅታት እዩ፡፡
 A tax audit is a selected verification of a tax payer
declared tax liabilities which always involves a review of
the tax payers system & other records.
 ክልተ መሰረታዊ መትከላት ኣገናዚብካ ዝፍፀም ተግባር እዩ፡፡ ንሶም
ድማ ፡-
1. ሕግታት ታክስ፣
2. መትከላት ኣተሓሕዛ ሒሳብ እዮም፡፡
 ኣብ ሓደ ሃገር ኣብ ስራሕ ዘለዉ ሕግታት ግብርን ታክስን፣
 ዕላማ ታክስ ኦዲት ዝሐሸ እቶት መንግስቲ ንምውሳን፣
 ምርመራ ኣብ ኣታዊ ዝለዓለ ተፅዕኖ ኣብ ዘብፅሑ ሒሳባት
(Accounts) ትኹረት ዝገብር እዩ፣
 ቕድሚ ናብ ሒሳብ መዝገብ ምርመራ ምእታዉ ኣብ ሕግታት
ግብርን ታክስን እኹል ፍልጠት ክህልው ይግባእ፡፡
 ሒሳብ መዝገብ ብመሰረት መትከላት ኣተሓሕዛ ሒሳብ
(GAAP) ዝተዳለወ ምዃኑ፣
 Transaction ኣብ Journal voucher ምምዝጋቡ፣
 ናብ Ledger Account ምሕላፎም፣
 Trial balance ዝተዳለወሉ ምዃኑ፣
 ፀብፃባት ሒሳብ (Financial statements) ብግቡእ
ዝተዳለዉ ምዃኑም፣
1. ዝተማለአ ፀብፃብ ሒሳብ (Financial statements) ክቕርብ
አላዎ፣

2. ፍቓድ ሕትመት /ቅብሊት ብኣከብቲ ግብሪ ጥራሕ ዝተፈቐደ


ክኸውን ኣለዎ፣

3. ዝተሓተመ ቅብሊት ኣብ ፍቓድ ንግዲ እቲ ትካል ዝተጠቐሰ


ሸም ማዕረ ክኸውን ኣለዎ፣
4. ብሽም ሓደ ኸፋሊ ግብሪ ዝፍለጡ ስራሕቲ ንግዲ ብሓደ ተጠቓሊሎም
ሒሳብ መግለፂ ክዳለወሎም ኣለዎ፣
5. ዝቐርብ ሒሳብ መዝገብ ብሕጊ ብዝተፈቐደሎም ክኢላታት ሒሳብ
ክዳሎ ኣለዎ፣
6. ሒሳብ መዝገብ ዘቕርብ ኸፋሊ ግብሪ ምስቲ ዝቐርብ ሒሳብ መዝገብ
ዝተወሃቦ መለለይ ቑፅሪ /TIN / ኣተሓሒዙ ከቕርብ ኣለዎ፣
7. ንብረት ቖፀራ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መግለፂ ሒሳብ መዝገብ ክሰፍር
ኣለዎ፣
Business transaction መበገሲ ዝኾኑ መረዳእታ
መረጋገፂ ምህላዉ ምፍታሽን ሓቅነቱ ምምስኽኻርን፣
 መሸጣ ቅብሊት፣
 ክፍሊት መአዘዚ፣
 ንብረት ኣታዊ ዝኾነሉ ሰነድ፣
 ቃለ ጉባኤ፣
 ወፃኢ ሰነድ፣
 ወፃኢ ንብረት መአዘዚ ሰነዳት፣
 መመዝገቢ ሰነድ (ጆርናል)፣
 ሌጀር ወዘተ ክኾኑ ይኽእሉ፡፡
ዝቐረቡ ወፃኢታት ብትኽክል፡-
 ኣብቲ ንግዲ ስራሕ ኣታዊ ንምርካብ፣
 ነቲ ንግዲ ትካል ውሕስና ንምሃብ፣
 ናይቲ ንግዲ ትካል ምንቅስቓስ ንምቕፃል ዝተገበሩ ወፃኢታት
ምዃኖም ንምርግጋፅ እዩ፡፡
ኣብ ናይ ወፃኢ ሰነድ ቮቺንግ፡-
 ክኽፈል ንዝግብኦ ኣካል ዝተኸፈለ ምዃኑ፣
 ግብሪ ኣብ ዝውሰነሉ በጀት ዓመት ዝተኸፈለ ምዃኑ፣
 ዝቐረበ ናይ ወፃኢ ሰነድ ህጋዊ ብዝኾነ ቅብሊት ዝተደገፈ፣
 ዝቐርቡ ቅብሊታት ንኻልኣይ ግዜ ዘይቐረቡ ምዃኖም፣
 ዝቐረበ ወፃኢ ብመን ከምዘተሰርሐን ዕለቱን ዓመተ
ምህረቱን ምርግጋፅ፣
 ብርኪ “ሀ”ን “ለ”ን ዓመታዊ ግብሮም ንምኽፋል ሒሳብ መዝገብ
ከቕርቡ ብኣዋጅ ዝግደዱ እንትኾኑ እቲ ዘቐርቡዎ ሒሳብ መዝገብ
ዝተማለአ እንተዘይኮይኑን ብእዋኖም እንተዘይ ኣቕሪቦምን
ብመዓልታዊ እቶት ግምት መፅናዕትን ብዝርከብ መረዳእታን
መሰረት ግብሪ ይውሰነሎም
ብሒሳብ መዝገብ ምውሳን
 ብመሰረት አታዊ ግብሪ አዋጅ ቁፅሪ 286/94 ዓ/48 ሒሳብ
መዝገብ ናይ ምሓዝ ግድነት ዘለዎም ከፈልቲ ግብርን/ታክስን/
ከማልእዎም ዝግባእ ሰነዳት እንትረኣይ ሒሳብ መዝገብ ናይ ምቕራብ
ግቡእ ዘለዎም ካብ ብርኪ “ሐ” ወፃኢ ኣብ ብርኪ ‘’ሀ’’ን ‘’ለ’’ን
ብርኪ “ሀ” ከፈልቲ ግብሪ –
 ናይ ሃብትን ዕዳን መግለፂ (Balance sheet)
 ናይ ትርፍን ኪሳራን መግለፂ(Income statement )
 ዘይተፃረየ ትርፍን ኣግባብ ኣገባብጥኡን
 ስራሕ መካየድን ምምሕዳራዊ ወፃኢታትን ዝተሓሰበሉ ኣግባብ
 ንእርጋን ዝተገበረ ተቐናሲ ዘርኢ ሰነድ ወዘተ
ብርኪ “ለ” ከፈልቲ ግብሪ
 ናይ ትርፍን ኪሳራን መግለፂ (Income statement )
 ኣግባብ ኣገባብጣ ዓመታዊ እቶት
 ኣግባብ ኣገባብጣ ዓመታዊ ወፃኢታት ኣማሊኡ
 ብትኽክል ምንቅስቓስ ንግዲ እቲ ትካል ዝገልፅ ምዃኑ፣
 ብስሩዕን ብዘይስሩዑን ዝረኸቦ እቶት ተጠቓሊሉ ኣብ ሒሳብ
መዝገቡ ዝሰፈረ ምዃኑ፣
 ዝተፈቐደ ኣታዊ ቅብሊት ሰነድ ጥራሕ ዝተጠቐመ ምዃኑ
 ካብ ሓደ ንላዕሊ ንግዲ ትካል ዘለዎ እንተኾይኑ ዝረኸቦ እቶት
ተጠሚሩ ዘቕረበ ምዃኑ ምርግጋፅ፡፡
 ኣየናይ ዓይነት መረጋገፂ ንኣይናይ ዓይነት ምርመራ ከምዘድሊ
ክፍለጥን ክንፀርን ኣለዎ፣
 ክረጋገፅ ዝድለ ነገር ኣቐዲምኻ ምፍላጥን ምንፃርን፣
 ኣገዳስነት ክረጋገፅ ዝድለ ነገር ምምዛን፣
 መረዳእታ ብደገን ውሽጥን መረዳእታታት ክጠናኸር ምግባር፣
 ኦዲተር ብዓይኑ ዝረኣዮምን ብኣካል ዝዕዘቦምን ዘይልወጡ
ነገራት ጭቡጣት መረጋገፂ ክኾኑዎ ይኽእሉ እዮም፣
 ንሓደ ዋኒን ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት መረጋገፂ ፅሑፍ የድሊ፣
 ኣብ ሒሳብ ፀብፃብ ዝሰፈሩ ሓሳባት ዝተኣሳሰሩ ስለ ዝኾኑ
ሓዲኡ ነቲ ሓደ ከም መረጋገፂ ዝጠቕሙ ምዃኖም ምርዳእ
የድሊ፣
 ቐዋሚ ዝኾነ ምልክት ምግባር እዚ ብቐይሕ ቀለም ዝፍፀም ኾይኑ
ፀገም ንዘለዎምን ንዘይብሎምን መፍለይ፣
 ፀገማት ኣብ ኦዲት ስራሕ ወረቀት ብዝግባእ መጣቐሲ፣ ዕለት፣
ምኽንያትን ዝሃቦ ውሳነን ገሊፁ ከቕምጥ ኣለዎ፣
 ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ሰነድ እንተጋጥም ተወሳኺ መብርሂ ንክውሃበሉ
በቢግዜኡ መዝጊቡ ምሓዝ የድሊ፣
 ምስ ንግዲ ትርፊ ግብሪ፣ቫትን ተርን ኦቨር ታክስን ሓቢሩ ክውሰን
ምግባር፣
ጠቕላላ መሸጣ
ሰነድ

 ቅብሊት ብስሩዕ ዝተፈቐደሉ ምዃኑን፣


 ብሽም በዓል ዋና ዝተሓተመ ምዃኑ፣
 ብሽም ትካል ዝተሓተመ ብልቓሕ መሸጢ ቅብሊት (Credit sales
invoice)፣
 ዝቐረበ መሸጣ ቅብሊት ሰነድ ተኸታታሊ ቑፅሪ ዘለዎ ምዃኑ፣
 ቮይድ ዝተገበረ ኦርጂናል ቅብሊት ተተሓሒዙ ዝቐረበ ምዃኑ፣

 ዘርፍታት ስራሕ ዝተረኸበ ኣታዊ ተጠቓሊሉ ኣብቲ መሸጣ ዝተፀብፀበ


ምዃኑ፣

 Accrued revenue ኣብ ዓመታዊ መሸጣ ዝተኻተተ ምዃኑ፣

 መሸጣ ዋጋ ምስቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ መሸጢ ክህሊ ዝግበኦ ኣፈላላይ


ዋጋ ምዃኑ ብዝተፈላለየ መንገዲ ምርግጋፅ፣
 ዝተኣከበ መረዳእታ ዕደጋን መሸጣን ምፍታሽ፣
 መሸጣ ይፍፅመሎም እዩ ተባሂሎም ዝእመኑ ትካላት ምሕታት፣
 ካብ ውልቀ ሰባት ዝተረኸበ ሓበሬታ/ጥቆማ እንተልዩ ምፅራይ፣
 ብመዓልታዊ እቶት ዝተፀንዐ ዓመታዊ እቶት መፅናዕቲ ኣብ ሒሳብ
መዝገቡ ምስ ዘቕረቦ ዓመታዊ ኣታዊ ምምዝዛን፣
 ብግብሪ ኸፋሊ ወይ ካብ 3ይ ወገን ዝቐረበ ቅድመ ታክስ ክፍሊት
ምፅራይ ምክያድን ኣብ ዓመታዊ እቶቱ ዝተደመረ ምዃኑ
ምርግጋፅን፣
 Beginning Inventory …………… xxx.xx
 Add. Purchase during the year .xxx.xx
 Cost of goods available for sale xxx.xx
 Cost of ending Inventory ……… xxx.xx
Cost of goods sold during the year..xxx.xx
 ኣብ ኢድ ዝተረኸበ ንብረት ዋጋ ዝተገበጠሉ መንገዲ average cost of
units on hand (Weighted average method) መሰረት ምዃኑ፣
 መበገሲ ሒሳብ ተባሂሉ ብግልፂ ክረአዩ ኣለዎም፣
 ብጭበጥ ዝተቖፀረ ንብረት ዘይብሉ ምዃኑ እንተተረጋጊፁ ናብ መሸጣ
ቀይርካ ናብ ዓመታዊ እቶት ምድማር፣
 ቫት ዴክለረሽን ባላንስ ምስቲ ኣብ ሒሳብ መዝገብ ዝቐረበ ናይ መወዳእታ
ዓመት ንብረት ቆፀራ ምምስኽካር፣
- ዝዓበየ ኣፈላላይ እንተልዩ ግቡእ ምፅራይ ኣካይድኻ ዝተረኸበ ኣፈላላይ ናብ
መሸጣ ቐይርኻ ኣብ ዓመታዊ ኣታዊኡ ክድመር ምግባር፣
1. መሃያ ወፃኢ ቮቺንግ
- በብ ወርሑ ናብ ዝምልከቶ ግብሪ ኣካቢ ፈሰስ ዝተገበረ ምዃኑ፣
- ካብቲ ዝቐረበ መሃያ ዝተቐነሰ ስራሕ ግብሪ ብትኽክል ምፍፃሙ ምርግጋፅ፣
- በብ ወርሑ ዝኽፈል መሃያ ኣብ ፔይሮል ብፊርማ ናይቲ ስራሕተኛ ዝወፀኦ ምዃኑ ምርግጋፅ፣
 ስራሕ ግብሪ ዘይተኸፈለሉ መሃያ ከም ወፃኢ ምቕባል ኣፀጋሚ እዩ፡፡
 ግብሪ ኸፋሊ ንሰራሕተኛታቱ፡-
- ብትርፊ ሰዓት ዘስርሕ፣
- ናይ መበራትዒ ክፍሊት፣
- ናይ ወንበርን ሞባይልን ክፍሊት ወዘተ…
ምስ መሃይኡ ተሓዊሱ ስራሕ ግብሪ ዝተኸፈሎ ምዃኑ ምርግጋፅ፣
1. ክራይ ኣታዊ ተባሂሉ እቶም ዝተዘርዘሩ ዘጠቓለለ ክኸውን ኣለዎ፣
- ተኻራይ ንመካረይ ብጥረ ገንዘብን ብካልእ ዓይነት ዝኸፍሎ ሒሳብ፣
- ተካራይ ብሽም መካረይን ነቲ መካረይን ዝኸፍሎ ሒሳብ፣
- ብውዕሊ መሰረት ነቲ መሬት ወይ ነቲ ገዛ መሐደሲ ዝግብሮ ወፃኢ
/ተወሳኺ ወፃኢ እንተኾይኑ/፣
2. ተካራይ ብምክራይ ካብ ዝኸፍሎ ክራይ ዋጋ ዝበለፀ እንተኾይኑ
ካብቲ ዝረኽብዎ ኣታዊ ኣፈላላይ ግብሪ ይኸፍል፣
ክራይ ኣታዊ ኣብ ዝምርመረሉ ኣታዊ ዝቕነሱ፡-
መዝገብ ንዘይሕዙ
- መሬት ግብሪን ህንፃ ታክስን (ኣታዊ ግብሪ ኣይሓውን)፣
- ነቲ ገዛ፣ ናይቲ ገዛ ኣቑሑት መሳርሕታትን መሐደሰን መፀገንን 1/5 ወይ
ድማ 20% ተቐናሲ ይግበረሎም፣
መዝገብ ንዝሕዙ
- ወፃኢታቱ ብመረዳእታ ምርግጋፅ እስካብ ዝተኽኣለ ተቐናሲ ክግበረሉ
ይኽእሉ፣
- ክፍሊት ክራይ ከምወፃኢ ዘቕርቡ ውልቀ ሰባት ምስቲ ዘካረየ ዝተኣሰረ
ውዕልን ዝተኸፈለሉ ቅብሊት ከቕርብ ኣለዎ
እርጋን ወፃኢ ንምሓዝ
- ዝተዓደገሉ /ዝተሰርሐሉ ጊዜን ዋጋን፣
- ካብ ዝዕደግ ጀሚሩ ብምኽንያት እርጋን ዝተቐነሰ ወፃኢ፣
- እንደገና ብምግማት ዝተረኸበ ተወሳኺ እሴት ንእርጋን ተቐናሲ መሰረት
ኣይኾንን፣
- እርጋን ኣጠናቒቖም ዝሽወጡ ቐወምቲ ንብረት ኣብ ሞንጎ ርክብ ዘለዎም
እንተኾይኑ ኣብቶም ንብረታት እርጋን ተቐናሲ ኣይሕሰብን፣
- ብሽም ዋንነት ትካል ዘይተመዝገበ ቐዋሚ ንብረት ተቐናሲ እርጋን
ኣይሕሰበሉን፣
- ኣብቲ ኣዋጅ ዝተቐመጠ እርጋን መጠን ሚእታዊ ምፍላጥ የድሊ፣
 ብቀጥታ እርጋን ኣቀናንሳ ሜላን፣
 ብጥቕሉል እርጋን ኣቀናንሳ ሜላን ጥራሕ እዩ፡
 ቀጥታ እርጋን፡-
- ንህንፃታት፣
- በዓል ዋና ንምዃን፣
- ንምምሕያሽ፣
- ንምስራሕ ብቀጥታ እርጋን ኣቀናንሳ ሜላ - 5%
 ብዓይኒ ዘይረኣዩ ሃፍትታት ኣብነት ፅቡቕ ዝና -10%
 ጥቕሉን እርጋን pooling system፣
- ኮምፒዩተራት፣
- መረዳእታ ስርዓት፣
- ሶፍትዌር ውፅኢት፣
- መረዳእታ መጠራቐሚ መሳርሒ ብጥቕሉል - 25%፣
- ካልኦት ሃፍታት - 20%፣
 እርጋን ተቐናሲ ዘይሕሰበሎም ቐወምቲ ንብረታት
- ስነ ጥቡብ፣
- ዝፀንሑ(ቐዳሞት) ኣቑሑት፣
- ካብ ዝኸበሩ ማዕድናት ዝተሰርሑ መጋየፅት፣
 መሰረት እርጋን፡-
- ካብ ሓደ ሽሕ ዘይበልፅ እንተኾይኑ ብሓደ ግዜ ካብቲ ንግዲ
ስራሕ ሒሳብ ተቐናሲ ክግበር ይኽእል እዩ፡፡
- ካብ 0 ንታሕቲ እንተኾይኑ እቲ ዝተረኸበ መጠን ብቀጥታ ናብ
ኣታዊኡ ተደሚሩ ግብሪ ዝሕሰበሉ ይኸውን፡፡
 ሀለሐ ውልቐ ንግዲ ትካል ናይ ግብሪ ዘመን ካብ ሓምለ1
ክሳብ ሰነ 30 ምዃኑ ወሲድና ቐፂሎም ኣብ ዝጥቐሱ እዋናት
ኮምፒተራትን ናይ ኮምፒተር ኣክሰሰርን ዝገዝአ እንዝኸውን
ከምኡውን ብዕለት 16/08/2002 ዓ/ም እቲ ትካል ሓንቲ ብር
5000.00 ዋጋኣ ዝኾነት ኮምፒተር ብብር 3000.00 ተሸይጣ
እንበል ብዚ መሰረት ተቀናሲ እርጋን ብብዘመኑ ከመይ
ይስላሕ ?
•ዝተገዘኣሉ መዓልቲ፣፣
01/06/2002 16,000.00
01/09/2002 6,000.00
01/11/2003 7,000.00
 ጊዜ/ብዓመት/ ጥቅሉል
ቀዋሚ ተቀናሲ
ንብረት ዋጋ እርጋን
 1/11/2001-30/10/2002ዋጋ ኣቅሓ ዝተወሰኸ
/ Additional/ 22000
ዝተሸጠ ኣቕሓ ዋጋ
/3000 /
ናይ እርጋን ተቀናሲመሰረት
19000
 30/10/2002ተቀናሲ እርጋን 25% /4750/
4750.00
ናብ ቀፃሊ ዝዞረ
14250.00
 30/10/2003 ተቀናሲ እርጋን 25% /3562.50/ 3562.50
ናብ ቀፃሊ ዝዞረ 10687.50
ዝተወሰኸ ዋጋ ኣቅሓ
7000.00
ተቀናሲ እርጋን መሰረት
17687.50
 30/10/2004 ተቀናሲ እርጋን 25% /4421.88/ 4421.88
ናብ ቀፃሊ ዝዞረ 13265.62
ዝተወሰኸ ዋጋ ኣቅሓ 3000.00
ተቀናሲ እርጋን መሰረት 16265.62
 30/10/2005 ተቀናሲ እርጋን 25% /4066.41/ 4066.41
ናብ ቀፃሊ ዝዞረ 12199.21
 ንንግዲ ትካል ዝተገበረ ፅገና ወፃኢ ምዃኑ ምርግጋፅ የድሊ፣
 ካብ 20% ንላዕሊ ፅገና ወፃኢ ከም ፅገና ወፃኢ ኣይሕሰብን፣
 ዝተፀገነ ንብረት ኣብ ስራሕቲ እቲ ትካል ብምውፋሩ ዝተበላሸወ
ምዃኑ ምርግጋፅ የድሊ፣
 ምስ ዝፀገነ ኣካል ዝተገበረ ውዕልን ካልእ መረዳእታን እንተልዩ
ከቕርብ ምግባር፣
 ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ አፍልጦ ዝረኸቡ መለቃሕቲ ምዃኖም
ምፅራይ፣

 ካብ ወፃኢ ባንክታት ካብ ዝተረኸበ ልቓሕ ዝኽፈል ወለድ፡-

- ብኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንክ ኣፍልጦ ዝተወሃቦ ምዃኑ፣

- ካብ ዝኸፍሎ ወለድ ኣቐዲሙ 10% ቐኒሱ ዘትረፈን ኣብ ቐፃሊ 2 ወርሒ


ንዝምልከቶ ኣካል ፈሰስ ዝገበረ ምዃኑ፣

- ኣብቲ ትካል ስራሕቲ ብትኽክል ዝወዓለ ምዃኑን ንናይቲ ትካል ስራሕቲ


ንምግፋሕ ዝተለቀሖ ምዃኑ ምርግጋፅ የድሊ፣

 ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝተኣሰረ ውዕሊ ክቐርብ ኣለዎ፣


ቅድመ ክፍሊታት ከም
- መድሕን ውሕስና፣
- ኪራይን ሊዝን ዝበሉ፣
ካብ 12 ወርሒ ንላዕሊ ዝፀንሑ ወፃኢታት ስለዝኾኑ
ስራሕ ኣብ ዝውዓለሉ ግብሪ ዘመን ተኸፋፊሉ ከም
ወፃኢ ዝተትሓዘ ምዃኑ ምርግጋፅ፣
ኣብነት
ን 3 ዓመት ዝፀንሕ ብር3,000 ውሕስና መድሕን
ዝኣተወሉ መረዳእታ ኣብ 2001 በጀት ዓመት
እንተቕሪቡ፣ኣብ 2001 ዝሕሰበሉ መድሕን ውሕስና ወፃኢ
(30003)ብር1,000 ጥራሕ ይኸውን፡፡
 ኣቐዲሙ ኣብቲ ናይ ንግዲ ትካል ሒሳብ ብኣታዊ ዝተትሕዘ
እንተኾይኑ፣
 ካብ ሒሳቡ ዝተሰረዘ እንተኾይኑ፣
 ግቡእ ናይ ህጊ ስጉምቲ ተወሲዱ ኣታዊ ንምግባር ዘይተኽኣለ
ምዃኑ ምርግጋፅ የድሊ፡፡
ብቐዳምነት እቲ ትካል
◦ ኣብ ዝምልከቶ ፍትሒ ኣካል ክምዝገብ ኣለዎ፣
◦ ኣጠቓቕምኡን ሒሳብ ኣተሓሕዝኡን ግልፅነትን ተሓታትነትን ዘረጋግፅ
ኣሰራርሓ ዘለዎ፣
ዝውሃብ ሓገዝ
◦ መንግስቲ ብዘቕረቦ ፃውኢት ዝተውሃበ ሓገዝ፣
◦ ንንግዲ ዘይተጣየሹ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ጥዕና ግልጋሎታት፣
◦ ዝተውሃበ ሓገዝ ወይ ውህብቶ ተቐናሲ ዝግበር ዓመታዊ ግብሪ ካብ
ዝኽፈሎ ኣታዊ (Taxable Income) 10% ክበልፅ የብሉን፡፡
◦ ብትኽክል ነቲ ንግዲ ትካል ዝወዓሉን ብሽም እቲ ትካል ዝተኸፈለን፣
◦ ኣብቲ በጀት ዓመት ዝተኸፈለ ወፃኢ፣
◦ ንካልኣይ ግዜ ዘይተደገመ ምዃኑ ምርግጋፅ፣
◦ ወፃኢ ስልኪ 70% ጥራሕ ከም ወፃኢ ይሕሰብ፣
◦ በሽም እቲ ትካል ዘይኾኑ ወፃኢ ዘርእዩ ቢላት ተቐባልነት የብሎምን፡፡
◦ ኣብ ዓመታዊ መሸጣ እቲ ትካል ዝተኻተተ ምዃኑ፣
◦ ካብ ህጋዊ ትካላት ተወከልቲ ቅድመ ታክስ ዝተወሃበ ምዃኑ፣
◦ ኣብቲ በጀት ዓመት ዝተኸፈለ ምዃኑ፣
◦ ናብ ዝምልከቶ ግብሪ ኣካቢ ፈሰስ ዝተገበረ ምዃኑ፣
◦ ኣብ ጉምሩክ ዝተቖረፀ ሕጋዊ መግለፂ ወይ ዲክለረሽን ጉምሩክ ኣታዊ
ኣቑሕት ከቕርብ ኣለዎ፣
ብኣዋጅ ቑፅሪ 286/94 ዓ/21/1-4/ ደንቢ ቑፅሪ 31/95 ዘይቕነሱ ወፃኢታት እቶም
ዝስዕቡ እዮም፡፡
 እቲ ንግዲ በብዓል ገዛ ወይ ብበዓልቲ ገዛ ሽም ኮይኑ ንሰበይቲ ወይ ንሰብኣይ ወይ
ንክልቲኦም ዝኽፈል ኣበል፣መሃያን ብውልቀ ዝውሃቦም ገንዘብ ኣይቀናነስን፣
 ምስቲ ንግዲ ትካል ምትእስሳር ብዘይብሉ ምኽንያት ዝተፈጠረ ኪሳራ፣
 ናይቲ ንግዲ በዓል ዋና ካብ’ቲ ትካል ትርፊ ንውልቁ ወይ ንናብርኡ ዝገብሮ ወፃኢ፣
 ናይ እርጋን ተቐናሲ ዝሕሰበሉ ዝኾነ ናይ ንግዲ ስራሕ ሃብቲ ንምርካብ፣ ንምምሕያሽ ፣
ንምሕዳስን እንደገና ንምስራሕ ዝተገበረ ወፃኢ፣
 ናይቲ ትካል ሃብቲ መሰረት ዝኾነ ካፒታል ንምሕያሽ ዝተገበረ
ወፃኢ፣
 ብመሰረት ሰደቓ’’ሐ’’ ካብ ኣታዊ ዝተከፈለ ግብርን ተመላሲ
ዝሕሰበሉ ተወኺ እሴት ታክስ፣
 ምስቲ ንግዲ ምትእስሳር ንዘይብሉ ካልእ ስርሕ ዝተገበረ
ወፃኢ፣
 ዝኾነ ዓይነት ውህብቶ ወይ መዋጮ (ብኣዋጅ ዝተፈቐደ
እንተዘይኮይኑ)፣
 ብኢንሹራንስ ወይ ብናይ ካሕሳ ውዕሊ መሰረት ክኽፈል
 ብምህርቲ ንግዲ ዘርፊ /ፋብሪካ/ ዘማሓደሩ ኣብ ዘቕርብዮም ሒሳብ
መዛግብቲ ትኩረት ዘድልዎም ቅድሚ ናብ ፋብሪካ ምእታዉን ድሕሪኡን
ዘሎ ጥረ ኣቁሑት ምቁፅፃር፡፡
 ብኣምፃእን ላኣኽን፣ወርቂ ኣዝወርቲን ንግዲ ዘርፊ ዝማሓደሩ ኣብ
ዘቕርብዎም ሒሳብ መዛግብቲ ትኩረት ዘድልዮም ካብ ሳልሳይ ወገን
ዝርከብ መረዳእታ ምምስኻር፣ዝዕድግዎ ዝተጋነነ ዋጋ ከይኸውን
ብብእዋኑ ዋጋ ዕዳጋ ምፅናዕን ምቁፅፃር፡፡
 ብሕንፃ ተኾናተርትን ሕ/ መሳርሕን ንግዲ ዘርፊ ዝማሓደሩ ኣብ
ዘቕርብዎም ሒሳብ መዛግብቲ ትኩረት ዘድልዮም ካብ ሳልሳይ ወገን
ዝርከብ መረዳእታ ምምስኻር፣ግዝኢት ደረሰይ ዘቅርብዎ ዝተጋነነ ዋጋ
/ኣብ ስራሕ ኣይዋዓለን ተባሂሉ ዝጥርጠር ምስ ዘቅርብዎ ትርፍን
ኪሳራን ትኹረት ብምሃብ ምቁፅፃር፡፡
ሀ. ናይ ዝተሸጡ አቑሒት ዋጋ (Cost of
manufacturing (finished goods) sold
ኣብ ምህርቲ ዝውዓለ ጥረ ኣቕሓ (DM) 690,000.00
ናይ ጉልበት ዋጋ (DL) 210,000.00
ካልኦት (FOH) 90,000.00
ኣብዚ ዓመት ኣብ ከይዲ ምፍራይ ዝርከቡ
990,000.00
(Current work in process)
 ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዞረ ኣብ ከይዲ ምፍራይ ዝርከብ
85,000.00
(Previous year work in process)
 ኣብ ከይዲ ምምረታት ዝርከቡ ኣቑሒት ዋጋ
1,075,000.00
(Total cost of goods on process)
 ኣብዚ ዓመት ከይዲ ምምራቶም ዘይተወድኡ
150,000.00
(Current ending work in process)
 ኣብዚ ዓመት ናይ ዝተመረቱ ኣቑሒት ጠ/ዋጋ
925,000.00
 (Total cost of manufacturing (finished) goods)
 ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዞረ ናይ ዝተመረቱ አ ቑሒት ዋጋ
125,000.00
(Beginning Inventory of Finished goods)
 ከይዲ ምምራቶም ዝተወደአ አቑሒት ጠ/ ዋጋ
1,050,000.00
(Total Cost of manufactured (finished goods) AFS)
 ኣብዚ ዓመት ናብ መሸጣ ዘይቐረቡ ዝተመረቱ አቑሒት ዋጋ
235,000.00
(Current Ending inventory of finished goods)
 ናይ ዝተሸጡ ኣቑሒት መምረቲ ጠ/ዋጋ
915,000.00
Total Cost of Manufacturing goods sold)
ሒሳብ መዝገብ ዝሕዙ ኸፈልቲ ግብሪ ኣብ መግለፂ
ትርፍን ኪሳራን ዘቕርብዎ ዋጋ ንብረት ዝተሸጡ
ኣቑሑት፡-
-መዐደጊ ዋጋ ንብረት፣ መጓዓዚን ንኢንሹራንስ ዝተኸፈለ ዋጋን(CIF)፣
-ንኤክሳይስ ታክስ ዝተኸፈለ ዋጋ፣
-ንጉምሩክ ቐረፅ ዝተኸፈለ ዋጋ ከጠቓልል አለዎ፡፡
ካብዚ ዝተጠቐሰ ንታሕቲ ዝነኣሰ ዋጋ እንተቕሪቡ
ብምንኣስ ዘቕረቦ ዋጋ ናብ መሸጣ ብምቕያር እቲ ዝተረኸበ መጠን
መሸጣ ናብ ዓመታዊ ኣታዊኡ ተደሚሩ ግብሪ ክሕሰበሉ አለዎ፡፡
ኣይተ ሓጎስ ኣብ 2005 ግብሪ ዘመን ሒሳብ መዝገቡዝስዕብ
ጉምሩክ ዴክለራስዮን ተረኺቡ፡-
-ካብ ወፃኢ ኣታዊ ዝገበሮ ንብረት መጠን 7,500 ኩንታል፣
-ዋጋ ንብረት 35,000 ዶላር፣
- ኣብቲ እዋን ዝነበረ ዶላር ዋጋ ብር 9.845፣
-ንኢንሹራንስ ዝተኸፈለ መጠን ብር25,000.00፣
-ንብረት ናብ ወደብ ንምጉዕዓዝ ዝተኸፈለ ብር30,425.00፣
- ምጣነ ጉምሩክ ቐረፅ ንብረት 20%፣
- ምጣነ ኤክሳይስ ታክስ ንብረት 35% እንተኾይኑ፣
1. ኣታዊ ዝተገበረ ንብረት ዋጋ፣
2. ዝኽፈል ጉምሩክ ቐረፅ፣ ኤክሳይስ ታክስ፣ ቫትን ዊዝሆልዲንግ ታክስን ኣውፅእ?
1. መዐደጊ ዋጋ
ንብረት......................35,000*9.845=ብር344,575.00
ንኢንሹራንስ ዝተኸፈለ .............................ብር25,000.00
ንመጓዓዚ ዝተኸፈለ.................................ብር30,425.00
ጠቅላላ መግዝኢ ዋጋ ..............................ብር400,000.00
2. ጠቅላላ መግዝኢ ዋጋ................................ብር400,000.00
ጉምሩክ ቀረፅ (400,000.00*20%)…………ብር 80,000.00
ኤክሳይስ ታክስ
(400,000.00*35%).........................ብር140,000.00
ድምር ………………………………… ብር620,000.00
ቅድመ ታክስ ክፍሊት
(400,000*3%)........................ብር12,000.00
ቫት (620,000.00*15%)................................ብር93,000.00
 ኣብ መግለፂ ትርፍን ኪሳረኦምን ዘቕርቡዎ መጠን መሸጣ ኣብቲ
ክፍሊት ሰርትፊኬት /payment certificate/ ካብ ዝረአ ኣጠቓላሊ
ተኸፋሊ ሒሳብ ክንእስ የብሉን፣
 ንኢሱ እንተተረኺቡ ግና በቲ ዝነኣሰ መጠን እቶት ናብ ዓመታዊ
መሸጠኦም ክድመር ይግበር፣
 ኮንትራክተር ቫት ዝተመዝገበ እንተኾይኑ ስራሕ ንምጅማር ኣቐዲሙ
ልቓሕ እንተተዋሂብዎ ካብቲ ዝተውሃበ ልቓሕ ግቡእ ቫት ቅብሊት
ክቑረፅን ቫት ታክስ ተሓሲቡ ክውሃቦን አለዎ
-ኣይተ ኪው ሓደ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ውዕል ኣሲሮም፣
-መጠን ውዕሊ ብር8.5 ሚልዮን (ቫት ኣይሓውሰን)፣
-ተቐናሲ(rebate) 2%፣
-ቅድመ ክፍሊት (advance payment) 20%፣
-መትሐጃ (retention) 5%፣
-ክፍሊት ብመሰረት ክፍሊት መረጋገፂ ምስክር ወረቐት፣
-ኣብ ክልተ ዓመት ኣጠናቒቖም ከረክቡ ይብል፡፡
ዕለት 20/05/2004
 ዋና ውዕል ……………………ብር8,500,000.00
 ተቐናሲ 2% ………………..ብር 170,000.00
 ጠቕላላ ውዕሊ ……………….ብር8,330,000.00
 ዝተፈፀመ ስራሕ (work executed………… ብር2,500,000.00
 ቅድሚኡ ዝተኸፈለ (previous payment) 0.00
 መትሐጃ (Retention) 5% …………………..ብር125,000.00
 ቅድምያ ክፍሊት (Advance pay’t) 20% .. ብር500,000.00
ድምር……………..ብር 625,000.00
 ዝተፃረየ ክፍሊት ………………..ብር 1,875,000.00
 ተ.እ.ታ (15%…………………..ብር 375,000.00
 ንኮንትራክተር ዝተኸፈለ……….ብር 2,250,000.00
ዕለት 15/10/2004
 ዋና ውዕል ……………………ብር8,500,000.00
 ተቐናሲ 2%.................ብር 170,000.00
 ጠቕላላ ውዕሊ ………………ብር 8,330,000.00
 ዝተፈፀመስራሕ (Work executed) … ብር 5,300,000.00
 ቅድሚኡ ዝተኸፈለ (previous payment) ብር1,875,000.00
 መትሐጃ (Retention) 5% …....…ብር 265,000.00
 ቅድምያ ክፍሊት (Advance pay’s) 20% ብር 1,060,000.00
ድምር………………………ብር 3,200,000.00
 ዝተፃረየ ክፍሊት ………………….… ብር 2,100,000.00
 ተ.እ.ታ (15%) ……………………… ብር 420,000.00
 ንኮንትራክተር ዝኽፈል……...………. ብር 2,520,000.00
ዕለት 25/05/2005

 ዋና ውዕሊ …………………………..ብር 8,500,000.00

 ተቐናሲ 2% …………………………..ብር 170,000.00

 ጠቕላላ ውዕሊ ………………………ብር 8,330,000.00

 ዝተፈፀመ ስራሕ (Work executed) …………………………...ብር


8,330,000.00

 ቅድሚኡ ዝተኸፈለ (previous payment) ………ብር3,975,000.00

 መትሐጃ (Retention) 5% ……………….… ብር416,500.00

 ቅድምያ ክፍሊት (Advance pay’s) 20% ብር 1,666,000.00

ድምር…………………………..……….ብር
6,057,500.00

 ዝተፃረየ ክፍሊት ……………………………………………… ብር


2,272,500.00
 ኣይተ ኪው ካብ ህንፀት እቲ ቤት ትምህርቲ
2004 ግብሪ ዘመን
 ኮንስትራክሽን ኣታዊ ……………………………ብር3,975,000.00
 ቀጥታን ምምሕዳራዊ ን ወፃኢታት…………….ብር3,902,000.00
ዝተፃረየ ትርፊ ……………………………………
ብር73,000.00
 ዝተኸፈለ ግብሪ (73,000*35%)-7,950.00= ..ብር17,600.00
2005 ግብሪ ዘመን
 ኮንስትራክሽን አታዊ
………………………………ብር2,272,000.00
 ቀጥታን ምምሕዳራዊን ወፃኢታት …………………ብር2,260,000.00
 ዝተፃረየ ትርፊ ……………………………………….ብር12,000.00
ኣብ ክልቲኡ ዓመት ኣብ መኽፈሊ እዋኖም ቐሪቦም
ብምፍላጥ ኸፊሎም፡፡
1.ኣብ ሕድሕድ ክፍሊት ሰርትፊኬት ክፍፀም ዝግበኦ ስርዓት ሒሳብ ኣመዘጋግባ
ግለፅ?
2.ብመሰረት ዝቐረበ መረዳእታ (ክፍሊት ሰርትፊኬት) ኣይተ ኪው ዘቕረብዎ ኣታዊ
ትኽክል ምዃኑ ኣረጋገፅ?
3.ግብሪ 2004 ብ30/05/2005፣ ግብሪ 2005 ድማ ኣብ 28/04/2006
እንተተወሲንሎምን ዘቕረብዎ ቀጥታዊን ምምሕዳራውን ወፃኢ በቲ ዘፍለጥዎ
መሰረት ቕቡል ተገይሩ፡፡
ዝቐረበ መረዳእታ መሰረት ብምግባር ግቡእ ምርመራ ተኻይዱ ንክውሰን ሒሳብ
መዝገቦም እንተቕሪቦም ክውሰነሎም ዝግባእ መጠን ግብርን መቕፃዕትን ግለፅ?
1. 1ይ ክፍሊት

ጥረ ገንዘብ …………..ብር2,250,000.00

መትሐጃ ……………..ብር 125,000.00

ልቓሕ (ጥረ ገንዘብ)….ብር 500,000.00

ተ.እ.ታ ………………………………………ብር 375,000.00

ኣታዊ …………………………………………ብር2,500,000.00

2ይ ክፍሊት

ጥረ ገንዘብ ………………ብር2,520,000.00

መትሐጃ ………………….ብር 140,000.00

ልቓሕ (ጥረ ግንዘብ) ……ብር 560,000.00

ተ.እ.ታ ……………………………….ብር 420,000.00

ኣታዊ ……………………………….ብር2,800,000.00
3ይ ክፍሊት
ጥረ ገንዘብ ………………ብር2,727,000.00
መትሐጃ ………………….ብር 151,500.00
ልቓሕ (ጥረ ገንዘብ) …….ብር 606,000.00
ተ.እ.ታ …………………………………ብር 454,500.00
ኣታዊ …………………………………ብር3,030,000.00
ኣታዊ 2004
ኣብ 1ይ ክፍሊት ሰርቲፊኬት
ጠቕላላ ዝተፈፀመ ስራሕ ………………ብር2,500,000.00
ኣብ 2ይ ክፍሊት ሰርቲፊኬት
ዝተፈፀመ ስራሕ ………………………..ብር5,300,000.00
ኣብ 1ይ ክፍሊት ዝተፈፀመ …………….ብር2,500,000.00
ኣብ 2ይ ክፍሊት ዝተፈፀመ……………..ብር 2,800,000.00
ኣብ 2004 ዝተረኸበ ኣታዊ …………….ብር 5,300,000.00
ኣታዊ 2005
ኣብ 3ይ ክፍሊት ሰርትፊኬት………………….ብር8,330,000.00
ኣብ 1ይ ክፍሊት ዝተፈፀመ ስራሕ ……………ብር2,500,000.00
ኣብ 2ይ ክፍሊት ዝተፈፀመ ስራሕ ……………ብር 2,800,000.00
ጠቅላላለ ክሳብ 2ይ ክፍሊት …………………..ብር5,300,000.00
ኣብ 2005 ዝተረኸበ ኣታዊ ………………… ብር 3,030,000.00
3. 2004 ግብሪ ዘመን

ዘፍለጦ ግብሪ ዝኽፈሎ ኣታዊ …………………………………..ብር 73,000.00

ዘፍለጥዎ መጠን አታዊ ………………………..ብር3,975,000.00

ብመሰረት ክፍሊት ሰርትፊኬት ኣታዊ ……… ብር 5,300,000.00

ዘየፍለጥዎ መጠን ኣታዊ ………………………………………ብር1,325,000.00

ብመሰረት ኦዲት ግብሪ ዝኽፈሎ ኣታዊ ……………………..ብር1,398,000.00

ዝኽፈል ግብሪ (1,398,000*35%) - 7,950.00 …………ብር 481,350.00

ብተሓሳቢ ዝተኸፈለ ግብሪ ……………………………………….ብር17,600.00

ብመሰረት ምርመራ ዝኽፈል ግብሪ …………………………… ብር 463,750.00


መቕፃዕቲ

ዓንቀፅ 75 …………………………………ብር10,874.94

ዓንቀፅ 87

…………………………………ብር231,875.00

ዓንቀፅ 88 …………………………………ብር51,012.50

ድምር መቕፃዕቲ ……………………………

ብር293,762.44
2005 ግብሪ ዘመን

ዘፍለጦ ግብሪ ዝኽፈሎ ኣታዊ …………………………………….ብር12,000.00

ዘፍለጥዎ መጠን ኣታዊ …………………………..ብር2,272,000.00

ብመሰረት ክፍሊት ሰርትፊኬት ዝረኸብዎ አታዊ ..ብር 3,030,000.00

ዘየፍለጥዎ መጠን ኣታዊ …………………………………………….ብር 758,000.00

ብመሰረት ምርመራ ግብሪ ዝኽፈሎ ኣታዊ ……………………..ብር 770,000.00

ዝኽፈል ግብሪ (770,000*35%) -7,950.00 ………………….ብር261,550.00

ብተሓሳቢ ዝተኸፈለ ግብሪ …………………………...................ብር 1,230.00

ብመሰረት ምርመራ ዝኽፈል ግብሪ ………………………………..ብር260,320.00


መቕፃዕቲ
ዓንቀፅ 75 ……………………………….ብር4,069.67
ዓንቀፅ 87 ……………………………….ብር130,160.00
ዓንቀፅ 88 ………………………………..ብር23,428.80

ድምር መቕፃዕቲ ………………………… ብር157,658.47


ጠቕላላ ዝኽፈል ግብርን መቕፃዕትን …..ብር 417,978.47
. ኣብቲ በጀት ዓመት ዝምርመሩ ዘርፍታትን በዝሕን ቫት
ተመዝገብቲ ምንፃር፣
2. ንሕድ ሕድ ዝምርመር ፋይል ዝወስዶ ግዜ ምቕማጥ፣
3. ካብ ሕድሕድ ዝምርመር ፋይል ክርክብ ዝኽእል መጠን
እቶት ምግማት ፣
4. ዘድሊ በዝሒ ሓይሊ ሰብ ምቕማጥን የጠቓልል፣
- ሰብኣውን ንዋትን ኣቕሚ ኣካቢ ግብሪ መሰረት ዝገበረ
ክኸውን ኣለዎ
a. ዴስክ ኦዲት
- ካብ ግብሪ ኸፋልን ካብ ሳልሳይ ወገን ዝተረኸቡ መረዳእታት
መሰረት ብምግባር አብ ግብሪ ኣካቢ ስራሕ ቦታ ኰይንኻ ዝግበር
ምርመራ እዩ፡፡
b. ውስን ምርመራ (Spot -audit)
ኣብ ዝተወሰነ ምንቅስቓስ (Transaction) ፍሉይ ጠመተ ሂብካ
ኦዲት ንምግባር ዝሕግዝ
c. ሓፈሻዊ ምርመራ (Comprehensive audit)
• ካብ 3ይ ወገን መረዳእታ ብምትእኽካብን መትከላት ሒሳብን
ሕግታት ግብርን ታክስን ዝተሰርሐ ምኻኑ ኣፃሪኻ ግቡእ ግብርን
ታክስን እትውስነሉ ከይዲ ምርመራ እዩ፡፡
ኣብ ኦዲት ስትራተጂ ዝተቐመጠ ኸም ዘሎ ኮይኑ ካብ
ኸፈልቲ ግብሪ ዝቐረበ ሒሳብ መዝገብ ኣብ
ኣርባዕቲኦም ሜላን ዓይነትን ኦዲትን ንምምዳብ
ዘድልዩ ተወሳኺ ረቑሓታት
 በቢወርሒ፣ ሰለስተ ወርሒ ዝቐርብ ናይ ቫት፣ ቲኦቲ፣ ስራሕ
ግብሪ፣ አክሳይስ ታክስ ዲክለረሽን በቢግዘኡ ዝተረኸቡ
ፀገማት ከፋላይ ግብሪ ብእዋኑ እናስተኻኸለ ዝመፀን ግቡእ
ክትትል አናተገበረሉ ዝሓገየን ካብ ዝነበርዎ ፀገማት ዝወፀን
ዝቐረበ ሒሳብ መዝገብ
 ንተጠቀምቲ ደረሰኝ ብኣግባቡ ዝህብ ወይ ደረሰኝ
ብዘይምሃብ ዘይሕመን
 ብዝተፋላለዩ ሓበራዊ መለከዕታት /ብግብሪ፣ ንግዲ፣
ኢንቨስትመንት ወዘተ/ ልምዓተውያን ዝበልናዮም ከፈልቲ
ግብሪ ዘቕረብዎ ሒሳብ መዝገብ፡፡
 ብዓርሰ ተበግሶ ዘፍለጦ ግብርን ታክስን ዝሓሸን ዝነኣሰ ናይ
ምጭብርባር ምልክታት ዘለዎን ወይ እቲ ከፋላይ ግብሪ
ናይቲ ዓመት ወይ ክፋል ዓመት ዘቕረቦ ትርፊ ምስ ህልዊ
ኩነታት ትካሉን ምስ ጠቅላ ዓመታዊ ወይ ናይ ዓመት ከፋል
መሸጣ እንትነፃፀር ዝሓሸን ዝነኣሰ ናይ ምጭብርባር ጥርጣረ
ዝፈጠረልናን እንትኸውን ፡፡
 በቢወርሒ፣ ሰለስተ ወርሒ ዝቐርብ ናይ ቫት፣ ቲኦቲ፣ ስራሕ
ግብሪ፣ አክሳይስ ታክስ ዝቐርበ ዲክለረሽን ዝሓሸ ተኸፋሊ
ታክስ ዘምፅእ፡፡
 ኣብ ዝቀርብ ፋይናንሻል ስታትመንት ዝተገዘአ፣ዝተሸጠን
ቀራይንብረትን ዝናበብ ቦኽራ ዘቅረበ/ት
 ብምኽንያት ውስን ፀገማት ወይ ጥርጣረ ኣብ ደስክ ኦዲት
ዘይተመደቡ ሒሳብ መዝገብ
 ብኸፊል ፀገም ዘለዎ ማለት ደረሰኝ ንተጠቐምቲ ዘይምሃብ
ወይ ምም/ራውን ቐጥታውን ወፃእታት ምቁላል ወይ
ኢንቨንተሪ ምሕባእ ወዘተ ካብዚ ሓዲኡ ፀገም ዘለዎም
ኣብቲ ዝተነፀረ ፀገም ትኹረት ሂብካ ምርመራ ወይ ኦዲት
ምክያድ
 ዝኸፈአ ፀገም ዘይንፈልጠሉን ግን ደማ ሙሉእ ክትትል
ብዘይምግባርና ሙሉእ መረዳእታ ዘይረኸብናሉ ከፋላይ
ግብሪ ዘቕረቦ ሒሳብ መዝገብ ኣብ ዝተጠርጠረ ነጥቢ
ትኹረት ሂብካ ምምርማር
 ብተነፃፃሪ ብምኽንያት ዓቕምን ድኹም ምንቅስቃስ ስራሕን
ብተነፃፃሪ ውሕድ መሸጣ ዘለዎን ወይ ንምጭብርባር
ዝዓዘዘ ዕድል ዘይኸፍት ዓውደ ሰራሕ ዝተሰማረየ ወይ
ውስብስብነትን ከቢድ ትራንስኣክሽንን ዘይብሉ ንግዲ ሰራሕ
 ክልተን ካበኡ ንላዕል ፀገማት ዘረኣይዎ ማለት ንተጠቐምቲ
ደረሰኝ ዘይህብ፣ ምም/ራዊ ወፃእታት ዝቑልል፣ ኢንቨንተሪ
ዝሓብእ፣ መረዳእታ ዝሓብእ ወዘተ ካብዞም ፀገማት እዚኦም
ክልተን ካበኡ ንላዕልን ዘለዎ እንትኾይኑ ወይ ንዞም ፀገማት
እዚኦም ንጥርጣረ ዝዕድምና እንተኾይኑ
 በቢወርሕን ሰለስተ ወርሕን ዝቐርብ ናይ ቫት፣ ኤክሳይስ
ታክስን ቲኦትን ዲክለረሽን ብዘይካ ኣገደድቲ ኩነታት
ብተደጋጋሚ ኒል፣ ተመላሽ፣ ትሑት ክፍሊት ኢሉ ዘቕርብ
እንተኾይኑ
 ሰፊሐ መሸጣ ዘለዎን ወይ ንምጭብርባር ዝዓዘዘ ዕድል
ዝኸፍት ዓውደ ሰራሕ ዝተሰማረየ ወይ ውስብስብነትን
ከቢድ ትራንስኣክሽንን ዘለዎ ንግዲ ሰራሕ ዝተሰማረየ ኣብ
ኮምፕረሀንሲቭ መዲብካ ምርኣይ ተመራፂ እዩ
 ዓብይ ፀገም ይህልዎ እዩ ኢልና ጥርጣረ ሃልዩና ግን ደማ ሙሉእ
ክትትል ብዘይምግባርና ሙሉእ መረዳእታ ዘይረኸብናሉ ከፋላይ
ግብሪ ዘቕረቦ ሒሳብ መዝገብ ኣብ ዝተጠርጠረ ነጥቢ ትኹረት
ሂብካ ንምምርማር ኣብ ኮምፕረሀንሲቭ ምምዳብ ኣድላይ እዩ
 መረዳእታ ቦኽራን ኣብ ከፈልቲ ግብሪ ማህደር ዝተተሓሓዘ
መረዳእታን መንጎ ሰፊሕ ፍልልይ ዝክሰት
 ግብኣት ታክስ ተቀናሲ ዝላዓለ ዝገብር
 ካብ ሳልሳይ ወገን ዝቀርቡ መረዳእታታት/ጥቆማታት/እንትርከብ
 ግብርን ታክስን ብእዋኑ ዘይምኽፋልን ንኻልኦት ከፈልቲ ግብሪ
ከይኻፍሉ ዝዕድምን
 ተኸታታሊ ግዝያት ኪሳራ /ዝነኣሰ ናይ ትርፊ ሕዳግ ዘርኢ
 ካልኦት ናይ ግብርን ታክስን ግቡኣት ዘይዋፅኡ፡፡
 ምስ ግብርን ታክስን ስወራ ወይ ወንጀል ስራሕ
ምትሕሓዝ ዘለዎም ሒሳብ መዛግበቲ ክኸውን ይግባእ
 ኮነ ተባሂሉ ምስ ምጭብርባር ግብርን ታክስን
ዝተሓሓዙ ደረሰኝ ምብልላፅ፣ ኣግባብ ዘይብሉ ፎርጅድ
ዝኾነ ወይ ዳብል ሕትመት ዘለዎ ቕብሊት ምጥቃምን
ምሃብን፣ ትክክለኛ ዘይኮነ ወይ ክልተ ዝተፋላለዩ ቲን
ምጥቃም ዝኣመሰሉ ናይ ምጭብርባር ስልትታ ኣለዎ
ዝበሃል ወይ ዝጥርጠር ሒሳብ መዝገብ
ትርጉም ቫት ኦዲት
- ሕግታት ቫት ዘይፍፅም ምዃኑ እንትጥርጠር ምርመራ እዩ፡፡
- ኣብ አፈፃፅማን ቫት ጥራሕ ጠመተ ይግበር
ኣፈፃፅማ
- ሓገዝቲ ሰነዳት
- ካብ 3ይ ወገን ዝርከቡ መረዳእታታት
- በጀት ዓመት አንተይተተፀበኻ ዝፍፀም እዩ
- ትልምን ስትራተጂን ክዳለወሉ ይግባእ፡
- ኣብ ኣፈፃፅማ ቫት ዝለዓል ፀገም ዝረኣየሎም ዘርፍታት፣
- ኣብ እቶት መንግስቲ ዝለዓለ ኣሉታዊ ዘቕጢ ዘለዎም፣
- ግብሪ ንዘይምኽፋል ኣብ ዝሃድሙን ዝሽፍጡን ቫት
ተመዝገብቲ ትኹረት ክገብር አለዎ፣
• ነዚ ዝተጣየሸ መረፃ ኮሚቴ (Steering committee)
ተመሪፆም ዝሓለፉ ቫት ተመዝገብቲ ጥራሕ እዩ፡፡
1. ኬዝ ቴም ማዕኸን መረዳእታ ናብ ኬዝ ቲም አወሳስናን
አተአኻኽባን የሕልፍ ፡፡
2. ነዚ ኣብ ዝተዳለወ መዝገብ ወይ Batch control card
ይምዝግብ፡ማሀደሮም የፃሪ
3. ናብ ኦዲተራት ተመሪሖም ከይዲ ቫት ኦዲት ይካየድ፣
4. ቫት ኦዲት ዝተወደኦሎም ፋይላት ተወሳኺ ክፍሊት ንምእካብ
ናብ ከይዲ ኣተኣኻኽባ እቶት ይመሓላለፍ ፡፡
ዝቐረበሉ መረዳእታ ብምድህሰሳ ኦዲት ክግበሩ ዝግበኦም ይውሰን፣
- እንታይ ዓይነት ኦዲት ከምዝካየደሎም ይውሰን ፣
- ኣብ ዝቐረቡ ዴክለረሽንን ፋይልን ምንቅስቓስ ግቡእ ቁፅፅርን ክትትል
ይገብር፣
- ቫት ኣሰስመንት ኦዲትን ፖሊስታት፣ ጋይድለይንን ኘሮሰጀርን ይውፅእ፣
- ንዝተመደቡ ኦዲተራት ቴክኒክል ምኽርን ሓገዝን ይሕብ፣
- ንምርመራ ዝተመረፁ ግብሪ ኸፈልቲ ተወሳኺ መረዳእታ ንምርካብ ትኹረት
ዝወሃቦም ኣካላት ንመረዳእታ ክፍሊ ሓበሬታ ይህብ፣
- ካብ ኦዲትራት ዝቐረበ ፀብፃብ ኦዲት ይጠምር፣
- ዓመታዊ ኘሮግራም፣ ስትራተጂን ትልምን ኦዲት ኣብ ምቕራፅን ምድላው
ግቡእ ስራሕቲ ይፍፅም፣
ብተኸታታሊ ተመላሲ ዘፍልጡ ተመዝገብቲ (Credit declaration)
2. ብተደጋጋሚ ኒል ሪፖርት ዝገበሩ (Nill declaration)
3. ዓበይቲ ትካላት (Large tax payers )
4. ካብ ዝተለመደ ከይዲ ወፃኢ ዲክለር ዝገብሩ (Unusual VAT
declaration patterns)
5. መረዳእታ እንትርከብ
• መስክ ኦዲት
- ካብ ቦታ ናብ ቦታ ወይ ድማ ናብ ኸፈልቲ ግብሪ ስራሕ ቦታ
እናተንቀሳቐስካ ዝግበር ከይዲ ምርመራ እዩ፡፡
• ዴስክ ኦዲት
- ካብ ግብሪ ኸፋልን ካብ ሳልሳይ ወገን ዝተረኸቡ መረዳእታት
መሰረት ብምግባር አብ ግብሪ ኣካቢ ስራሕ ቦታ ኰይንኻ
ዝግበር ምርመራ እዩ፡፡
a. ኣድላይ ቅድመ ምድላው ምግባር
b. ኣብ ቤት ፅሕፈት ኾይንካ ዝግበር ቅድመ ምድላው
a. ኣብ ተመርማሪ ትካል ብኣካል ተረኺብካ ዝፍፀሙ ስራሕቲ
ሰነድ
- ዴክለር ዝተገበረ መጠን መሸጣን ውፅኢት ምህርቲን በብ ወርሑ ፈላሊኻ ምምዝጋ
- ብልቓሕ ዝተሸጠ ንብረት
- ኣብ መሸጣ ቅብሊት ቫይድ ዝተገበረ
- ቅብሊት ቅደም ሰዓብ (Pre numbed
ካብ 3ይ ወገን መረዳእታ ምትእክካብ
- ዝቐረበ ሒ/መዝገብ ፣ወርሓዊ ዴክለረሽን ምንባብ
- ኣብ ሒሳብ መዝገብ ቁቡል ዘይተገበረ ቫት ግብአት ኣብ ቫት ኦዲት ድማ ክወፅእ ምግባ
- ኩሉ ግዜ ብቫት ቅብሊት ጥራሕ ምኻኑ ብኣካልን ካብ 3ይ ወገንን መረዳእታ ምትእኽኻብ ፣
- ጨንፈር ወይ ወኪል ቫት ቅብሊት እናተጠቐመ ዝሸውጥ ምኻኑ
- ኣብ ዘቕረቦ ሒሳብ መዝገብን ዴክለር ዝገበሮ ቫትን ኣፈላላይ እንትህሊ እቲ ዝዓበየ እቶት ወሲድካ
ቫት ክሕሰቦ ምግባር፣
በብወርሑ ዴክለር ዝተገበረ መጠን ቫት ግዝኢትን ግብኣት ታክስን በብ ወርሑ
ፈላሊኻ ምምዝጋብ
- ግብኣት ታክስ ምስ ኣብ ሒሳብ መዝገብ ዝቐረበ ቫት ብምንፅፃር ካብ ክልቲኡ እቲ
ዝነአሰ ቫት ግዝኢት ምውሳድ፣
- ኣብ ስርዕ ዕደጋ ዘሎ ዋጋ ማእረ ወይ ተመሳሰሊ ምኻኑ ምፅራይ፣
- ኣብ ሞንጐ ርክብ ዘለዎም ቫት ተመዝገብቲ ምኻኑን ዘይምኻኑን ምፍታሽ ፣
- ካብ ህጋውያን ቫት ተመዝገብቲ ትካላት ዝተገዘአ ምኻኑ ምርግጋፅ
- ኣብቲ ባጀት ዓመት ውሽጢ ዝተገዝኡ ምኻኖም ፣
- ኣብ ወርሓዊ ቫት ዴክለረሽን ዝቐረበ ግብኣት ታክስ ኣብ ሒሳብ መዝገብ ኸፋሊ
ግብሪ ምስ ዝቐረበ ቫት ምንፅፃር
◦ ዝቐረብ ቫት ዴክለረሽን ብትኽክል ዝተመለአ ምኻኑ ምፅራይ፣
◦ ዝተመለአ ምህርቲ ውፅኢትን እታወትን ታክስ መጠን ገንዘብ
ብትኽክል ዝተመለአን ዝተቐናነሰን ምኻኑ ምርግጋፅ፣
◦ በብወርሑ እናዞረ ዝመፅእ መጠን ተመላሲ ቫት ብትኽክል እናተመለአ
ምኻኑ ምርግጋፅ፣
◦ ኣብ እዋኑ ዝበፀሐን ዝተመዝገበን ምኻኑ ምፅራይን ፣
መቕፃዕትታት (Penalties)
- ክምዝገብ እናተገበኦ ዘይተመዝገበ፣
ትኽክለኛ ዘይኾነ ቅብሊት ኣዳልዩ ዘቕረበ ፣
- ቅብሊት ክህብ እናተገበኦ ዘይሃበ፣
- ብቫት ግብሪ ኸፋልነት ከይተመዝገበ ቫት ቅብሊት ቖሪፁ ዝሃበ እንተኾይኑ
ኣብቲ ቅብሊት ዝትረኸበ ወይ ኣብቲ ዕዳጋ ልውውጥ ክኸፍል ዝግበኦ ታክስ 100%
ይቕፃዕ፣( ቫት 285/94 ኣ/45 )
ምህርቲ ውፅኢት ታክስ - ተወሳኺ ምህርቲ ውፅኢት ታክስ እንተተረኺቡ
- ብኣፈላላይ ዝተረኸበ መጠን ገንዘብ ብቐጥታ ኣታዊ ይገብር ፣
- እቶት መንግስቲ ብምንኣስ ብኣፈላላይ ዝተረኸበ 100% ቕፅዓት ይኸፍል፣
እታወት ታክስ -ብምርመራ ዝተረኸበ መጠን እታወት ታክስ
ካብቲ ዘፍለጥዎ ዝተሓተ ኾይኑ እንተተረኺቡ
- ብሕልፊ ዝተረኸበ መጠን ገንዘብ ውድቂ ይግበር፣
- በቲ ዝተረኸበ ኣፈላላይ ብር መጠን ካብቲ ክምለሰሎም
ዝግባእ ገንዘብ መጠን ንላዕሊ ብምጥያቆም 100% ይቅፅኡ
፡፡
• ንሕድ ሕድ ዝደንጐየሉ ወርሒ ወይ ኽፋል ወርሒ ካብቲ
ዘይተኸፈሎ ታክስ
• ካብ 5%-25% ስጋብ ዝበፅሕ ይቕፃእ እቲ መቕፃዕቲ
• ካብ 50,000 ክበልፅ የብሉን ካብ 10,000 ድማ ክንአስ
የብሉን፣
• ይኹን እምበር ዘንጊዑ ዝቕረበ ኮይኑ ኣብቲ ሒሳብ ግዜ ክኽፈል
ዝነበሮ ታክስ ጠቕሊሉ ዝኸፈለ ሰብ ዝሕሰብ መቕፃዕቲ እቲ
ዝነአሰ ወይ 10,000.00 ይኸውን
 ካብት ዝደንጐየሉ ግዜ ጀሚሩ ዝሕሰብ ባንኪ ወለድ ይኸፍል
 ዝኽፈል ወለድ ባንክታት እናተጠቐማሉ ካብ ዝርከብ ወለድ
25% ብምውሳኽ ይኸውን፡፡
5. ሰርዓት ኣገባብጣ ተወሳኺ እሴት ታክስ
 ተወሳኺ እሴት ታክስ ምህርቲ ካብ ሓደ ኢድ ናብ ካሊእ ኣካል
ብመሸጣ ኣብ ዝመሓላለፈሉ እዋን በቢ ብርኩ ኣብ ዝፍጠር
ተወሳኺ እሴት ዝሕሰብ እዩ፡፡
ውፅኢት ምህረት ታክስ (out put tax)
-ኣገባብጣ ተኸፋሊ ተወሳኺ እሴት ታክሰ (VAT tax payable)
ዝስዕብ ይመስል
ተኸፋሊ ተወሳኺ እሴት ታክስ=ናይ ምህርቲ ውፅኢት ታክስ-
ናይ እታወታት ታክስ

(Out put tax) (VAT tax payable)


(In put tax)
ናይ ተወሳኪ እስት ታክስ ሒሳብ ግዜ (VAT accounting
period
ካብ ቫት ነፃ ዝተገበሩ ቀረባት (VAT exempted services)
 ካብ ክልተ ዓመት ንላዕሊ ዘገልገለ ናይ መንበሪ ገዛ መሸጣ
 ዝተፈላለዩ ግልጋሎት ፋይናንሳት
 ናይ ውሕስና ሰነዳት ንምሻጥ ወይ ናብ ዓዲ ውሽጢ ንምእታው

 ናብ አትዮጵያ ቤሄራዊ ባንክ ዝቀርብ ወርቂ ካብ ወፃኢ እንትኣቲ


 ምስ ትካላት ሃይማኖት ተአሳሲሩ ዝውሃቡ ዝተፈላለዩ
ግልጋሎታት
 ግልጋሎት ሕክምናን ብሓኪም ዝተአዘዙ መድሓኒታት
 ግልጋሎት ትምህርቲ
 ንሰብአዊ ሓገዝ ዝውዕሉ ቀረባት በተፈጥሮን ሰብ ሰራሕን ሓደጋ
ንዝበፀሕም መሊስካ ንምጥያሽ ካብ ወፃእን ውሽጢ ዓዲ ዝግዝኡ ቀረባት
 ማይ (ኣብ ፋብሪካ ተአሺጉ ዝሽወጥ ማይ አየጠቃልልን)
 ብሕጊ ወይ ብስምምዕነት ካብቲ ታክሲ ነፃ ተገይሮም ናብ ዓዲ ውሽጢ
ዘአትዉ ቀረባት
 ክፍሊት ትራንስፖርት(ኣብ ዝኾነ ጋዓዓዚ ሰባተ ወይ አቑሑ ንምጉዕዓዝ
ዝፍፀም ክፍሊት
 ፍቓድ ንምርካብ ዝፍፀሙ ክፍሊታት(ኣብነት ፍቓድ ንግዲ፣
 ልዕሊ 60% ካብቲ ጠቅላላ ሰራሕተኛ ጉድአት አካላት እንተኮይኖም
 መፃሕፍቲ ምሻጥን ምሕታምን
 ብመምርሒ መሰረት ነፃ ዝተገቡሩ ባኒ ምክፍፋል፣እንጀራን ፀባን ምክፍፋሊ
ግቡኣት ቫት ተመዝገብቲ
 ሕድ ሕድ መሸጣ ብናይ ቫት ቅብሊት ጥራሕ ክፍፅም ኣለዎ ብዘይ ናይ ቫት
ቅብሊት ምሻጥ ብገበንን ብምምሕዳራዊ መቅፃዕቲ ተሓታትነት የስዕብ
ኢዩ፡፡
 ኣብ ሓደ ወርሒ ውሽጢ ዝፈፀሞ መሸጣን ዕድጊትን ቀፂሉ ኣብዘሎ ወርሒ
ካብ 1-30 መዓልቲ ናብ ዝተመዝገበሉ ኣካቢ ግብሪ ፀብፃብ ከቕርብ ኣለዎ
 እቲ ዝቐርብ ፀብፃብ ባዶ እንተኾይኑ ኣብ ቀፃሊ ብሽሙ ዝተፈፀመ ናይ
መሸጣ ወይ ዕድጊት መረዳእታ እንተተረኺቡ ብሕጊ ተሓታቲ ምዃኑ ዝገልፅ
ናይ ቃለ-መሓላ ቅጥዒ ክመልእ ኣለዎ፡፡
 ሕድ ሕድ ቫት ተመዝጋቢ በብወርሑ ኣብ ዘቕርቦ ቫት ዴክለረሽን ናይ
መሸጣን ዕድጊትን መረዳእታ ንምምዝጋብ ኣብ ዝተዳለወ ቅጥዒ ብዝርዝር
ካብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስራዝ
 ካብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ምዝገባ ምስራዝ እቲ ትካል ቫት
ዝኽፈሎም ቀረባት ምሻጥ እንተቋሪፁ ወይ ድማ እቲ ትካል
እንተተዓፂዩ እቲ ተመዝጋቢ ካብዚ ዓለም ብሞት እንተተፈልዩ
 እቲ ዝተመዝገበ ሰብ ወይ ትካል ካብ ዝተመዝገበሉ አዋን ጀሚሩ
ንተኸታታሊ 3ተ ዓመታት ምስ ፀንሐ ቀፂሎም ኣብ ዘለው 12
ኣዋርሕ ውሽጢ ታክስ ዝሕሰበሎም ልውውጣት ጠቕላላ ዋጋ ካብ
ብር 500 ሽሕ ዘይበልፅ እንተኾይኑ
ቀጥታ ኣብ ዘይኮኑ ታክስታት
ሀ. ተወሳኺ እሴት ታክስ
አብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ኣዋጅ ቁፅሪ 285/94 ከምኡ’ን
መማሓየሽ ኣዋጅ ቁ.609/2001 ዝተቐመጡ ሕግታት
ዘይምትግባር ንኸፈልትን ኣከብትን ግብሪ ብገበንን
ምምሕዳራውን መቕፃዕቲ ተሓታቲ ዘግብር ኢዩ፡፡ ዝተቐመጡ
ምምሕዳራዊ መቕፃዕትታት እንትረአዩ
 አንኢስካ ምፍላጥ
አብ’ቲ ቫት ኣዋጅ አንቀፅ 45 ንኡስ አንቀፅ ሀ - መ
መሰረት ዝተሰሓሓተ ቅብሊት ዘቅረበ ፣ከይተፈቐደሉ ቫት
ዝአከበ ፣ ክምዝገብ አናተገበኦ ዘይተመዝገበ፣ ኣታዊ ክኸውን
ዝግበኦ ቫት ዝቐነሰ፣ ዝተፈቐደ ተቀናሲ ቫት ብዘይአግባብ
ክውስኽ ዝገበረ ወዘተ አታዊ ናይ ዘይገበሮ ቫት 100%
ብመልክዕ መቅፃዕቲ ይኸፍል፣
ክሕዞ ዝግባእ ናይ ሒሳብ ሰነድ ብዝግባእ ዘይሓዘ ቫት
ተመዝጋቢ ንሕድ ሕድ ሰነድ ዘይሓዘሉ ወርሒ ወይ ናይ’ዚ
ክፋል ንዝኾነ ግዜ ብር 2000 ይቅፃዕ
 ብእዋኑ ዘይምፍላጥ
ኣብቲ አዋጅ አንቀፅ 46 ንኡስ አንቀፅ 1 ክሳብ 4 ዝግበኦ ታክስ
ብእዋኑ ዘይምፍላጥ ዝወሰን መቅፃዕቲ ፤-ኣብ ዝተወሰነሉ እዋን
ታክሲ ናይ ምፍላጥ ጉቡኡ ዘይተዋፅአ ኸፋሊ ግብሪ ንዝዘንገዓሉ
ሕድ ሕድ ወርሒ ወይ ናይቲ ወርሒ ኽፋል ንዝኾነ ግዜ ናይቲ
ዘይተኸፈለ ታክስ 5% ክሳብ 25% ዝበፅሕ ብመልእዕ መቅፃዕቲ
ይኸፍል፣ እቲ ዝኽፈል መቕፃዕቲ ንመጀመርያ ወርሒ ወይ
ናይ’ቲ ወርሒ ኽፋል ንዝኾነ ግዜ ካብ 50,000 ክበልፅ ይብሉን፣
 ዘይተኸፈለ ታክስ ዝብሃል፤- ኣብ ሞንጎ ታክስ መፍለጢ
ክረአ ዝነበሮ መጠን ታክስን እቲ ታክስ አብ ዝኽፈለሉ እዋን
ዝተኸፈለ ታክስ ዘሎ አፈላላይ ኢዩ፡፡ ብካልእ ገፅ ድማ ብእዋኑ
ብዘይምፍላጥ ዝውሰን ምቕፃዕቲ ካብ ብር 10,000 ወይ
ኣብቲ ታክስ መፍለጢ ክረአ ካብ ዝነበሮ 100% ክንእስ
የብሉን ይብል፡፡ ሰለዝኮነ ድማ ከፋሊ ግብሪ ከፍልጦ ዝነበረ
መጠን ታክስ ብምሉኡ እንተኸፊሉ ብእዋኑ ብዘይምፍላጥ
ዝኸፍሎ መጠን መቕፃዕቲ እቲ ዝተሓተ 10,000 ኢዩ፣
መብርሂ. እቲ ዝተሓተ ብር 10,000.00 መቕፃዕቲ ብፌደራል
ብዝተመሓላለፈ መምርሒ መሰረት ብር 2,000.00
ባንክ ወለድ
 ብአንቀፅ 47 ኣብ ዘይተኸፈለ ታክስ ዝሕሰብ ናይ ባንክ ወለድ
እንትኸውን እቲ ወለድ ንምሕሳብ እንጥቀመሉ ሬት ኣብ ልዕሊ
ባንክታት ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዓመት ዝተጠቐማሉ ዝለዓለ ናይ
መለቅሒ ባንክ ወለድ 25% ኣብ ልዕሊኡ ብምውሳኽ
እንትኸውን እቲ ወለድ ዝሕሰበሉ ግዜ ድማ ክኽፈል ካብ
ዝነበረሉ ግዜ አትሒዙ ክሳብ ክፍሊት ዝተፈፀመሉ ዘሎ ግዜ
ብምውሳድ ኢዩ፣
 ግብሪ በዚሑኒ ኢሎም ናብ ይግባኣኒ ሰማዒ ዘቅረቡ ኸፈልቲ ግብሪ እቲ
ይግባኣኒ ሰማዒ ልዕሊ 6 ወርሒ ከይወሰነ ንዝፀነሖ መቕፃዕቲ
ይምልከቶም ድዩ ከምኡውን ከትሕዝዎ ዝግባእ 50 ካብ ቐራይ ድዩ
ወይ ካብ ፍረ ግብሪ

ብብርኪ ሐ ዝነበሩ ኸፈልቲ ግብሪ ናብ ብርኪ ለ ወይ ድማ ሀ


እንትሽጋገሩ ኣብ ኣተሓሕዛ ሒሳብን ኢንቨንተሪ ምምዝጋብን
መን ባዓልሞያ እዩ እቲ ንብረት ዝቆፅሮን ዝግምቶን
 ብክልል ዝላኣኹ መፍትሒ ሓሳባት ሓደ ሓደ ቀላጤ ወረቀት እዩ
ከምኡውን ኤክስፐርት ዝፃሓፎ ኣይንቅበሎን ዝብሉ ኣለዉ ከም
ኣብነት ብርኪ ሐ ነይሮም ናብ ብርኪ ለ ዝተሻገሩ ከምኡውን
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሒሳብ መዝገብ ዘየቅረቡ ተባሂሎም
ዝተቐፅዑ ኣብ ካልኣይ ዓመት ከይተሓዙ ተተረኺቦም 20 
መቅፃዕቲ ኣይምልከቶምን ንግዲ ፍቃዶም ምእጋድ እምበር
ዝብል ሓሳብ ይቀርብ ኣሎ፡፡
 ብዴስክ ኦዲት ዝተሰገሩን ዝተርኣዩን ናይ ተመላሲ ቫት
ተቐናሲ ንዘለዎም ብዴስክ ኦዲት ዲና ንሓልፎ ወይስ
 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሒሳብ መዝገብ ከይተቕርብ ወይ ብምኽንያት
ቼክ ሊስት ዘቅረቦ ሒሳብ መዝገብ ተቐባልነት ዘይረኸበ እንተኾይኑ
ኣብ ቐፃሊ ዓመት ስርዓት ተኸቲሉ ቅብሊት ደረሰይ ቆሪፁ ሒሳብ
መዝገብ ኣብ ዘዳለወሉ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዞረ ንብረት
Beginning inventory ኢሉ ንዘቅረቦ ሒሳብ መዝገብኻ
ተቐባልነት ስለዘይብሉ ሐዚ እውን ኣይንቅበል ክንብል ንኽእልዶ
 ካብ ገዛ ክራይ ዝርከብ ኣታዊ ምሉእ ብምሉእ ንመንበሪ ዘካረየ ወይ
ኸዓ ንትካል ዘካረየ ምስ ካሊእ ንግዲ ኣብ ምጥማር ከምኡውን እቲ
ትካል ፒኤልሲ እንተኾይኑ እቲ ካብ ገዛኪራይ ዝተረኸበ ኣታዊ ምስ
ንግዲ ትርፊ ተጣሚሩ ኣብ ፌደራል ሒሳብ መዝገብ ኣጣሚረ ኣቕሪበ
ንዝብሉ ከፈልቲ ግብሪ፡፡
 ካብ ብርኪ ሐን ለን ዝፀንሑ ነጋዶ ናብ ብርኪ ሀ እንትሽጋገሩ
ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ ብር 600000 ብፅንዓት ወይ
ብመረዳእታ ተተረኺብዎም ክሕሰብ ዝግበኦ ቫት ካብየናይ እዩ፡፡
 ኣብ ኢንተርፕራይዝ ዝተጠርነፉ ደኣንት ማሕበራት ግብሪ
እፎይታ ዝምልከት ዘሎ ኣፈላላይን ብኢንተርፕራይዝ ዝተጠርነፉ
ደኣንት ማሕበራት ዝግበኦም ግብሪ ኣከፋፍላን ኣወሳስናን
ዝምልከቶም መብርሂ ምሃብ
 ብመዓልታዊ መፅናዕቲ፣ ግዝኢት መረዳእታን መሸጣ
መረዳእታን ኣብ ኣወሳስና ዘሎ ሓላፍ ዘላፍ ሓደ ዓይነት
ምርድዳእ ምግባር
 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ብሸቀጥ ይህሊዮም ኮኑ ግን ብፅሕፈት
መሳርሒ ንግዲ ፍቃድ ዘይብሎም ዓዲጎም ኣብ ሒሳብ
መዝገቦም ዝተገዝአን ዝተሸጠን ኣጣሚሮም እቶቶም ንዘፍለጡ
ካብ ዋና ኦዲተር ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ስለዘይብሉ እቲ ዕድጊት
ተቀባልነት የብሉን ንዝብል መብርሂ ተዝዋሃቦ
 ክልተን ልዕሊኡን ንግዲ ዘርፊ ዘለዎም ከፈልቲ ግብሪ በቲ ሓደ
ንግዲ ዘርፊ ኣብቲ ዓመት ምንም ዓይነት ዘየንቀሳቀሱ
እንተኾይኖም ናይ ክልቲኡ ንግዲ ኣታውን ወፃእን አብ ሒሳብ
መዝገብ ኣጣሚሮም እንተቅሪቦም ናይቲ ምንም ዘይሰርሐሉ
 ካብ ደረሰይ ክህቡ ዘይኽእሉ ዝዓደጉ ከፈልቲ ግብሪ ኣብነት
ላኣኽቲ ከምኡውን ንግዲ ዘርፊ እኽልን ጨርቅን ዝነግዱ
ከፈልቲ ግብሪ ሕጋዊ ደረሰይ ዘየቅረበ ከፋሊ ግብሪ
ተቐባልነት የብሉን ዝብል ካብ ዋና ኦዲተር ይቐርብ
ብምህላዉ ስግኣት ስለ ዘሕደረልና መብርሂ ተዝዋሃቦ
 ኣብ ዓ/46 መቅፃዕቲ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ሓሳብን
ኣወሳስና ብምህላዩ መብርሂ ተዝዋሃቦ
 ብቁርጥ ግብሪ ዝኻፍሉ ተሽከርኸርቲ ተኻሪዮም ንኻሊእ
ሳልሳይ ወገን ንዘካርዩን ተካርዮም ንዘካርዩ ግብርን ታክስን
ብኸመይ ይውሰነሎም
 ቐዋሚ ንብረት ከም ወፃኢ ገይርካ ምቕራብ
 ሒሳብ ኪኢላታት ንዓማዊሎም ወርሓዊ ቫት ሪፖርት
ዘይምክትታል
 ወፃኢ እርጋን ንምስራሕ ኦርጅናል ኮስት ከይረኣዃ ምስራሕ
 ኣብ ሒሳብ ኪኢላ ዘዳልዉዎ ሒሳብ መዝገብ ናብ ባንኪ
ዝቐርብን ናብ እቶት ዝቐርብን ዝተፈላለየ ሒሳብ ይቐርብ
 እዋኑ ዘይሓለወ ወፃኢን ኣታውን ሰኒድዃ/ኣዳሊውዃ
ምቕራብ
 ኣብ ኮንስትራክሽን ስራሕቲ ፐይመንት ሰርቲፊኬት
ከይረኣኻ ምስራሕ
 ወፃኢ እርጋን ህንፃ ንምስራሕ ናይ ቤት ማዘጋጃ ቢልኦፍ
ካንቲቲ ከይረኣዃ ምስራሕ
 ካብ ወፃኢ ዓዲ ንዝመፅኡ ኣቁሑ ናይ ጉምሩክ
ድክላራስዮን ምስ LC ከየናበብኻ ምስራሕ
 ናይ ነጋዳይ ክፍሊት መኣዘዚ ብሒሳብ ኪኢላ ኣብ መወዳእታ
ወርሒ ሰሪሕዃ ምቕራብ
 ግብሪ ኣዋጅ ብ286/94 ዓንቐፅ 48፣58፣ደንቢ ኣታዊ ግብሪ
72/95 ዓ/ 20 ፣285/94 ዓ/37 ዝእዝዞ ሰነዳት ሕግን
GAAP ተኸቲልኻ ዘይምኻድ
 ቆፀራ ንብረት ከየዳለኻ ከይረአኻን ሒሳብ ምድላው
 ኣብ ኢንቨንተሪ ጥቁሉል ዋጋ ጥራይ ኣብ ሒሳብ መዝገብ
ምርኣይ ክንደይ ተገዚኡ ፣ ክንደይ ተሸይጡ፣ክንደይ ቐሪዩ ዘርኢ
ሰነድ ዘይምርግጋፅ
 ኣብ ዘይብርክኻ ሒሳብ ምድላው
 ኣብ ጨንፈር ዝስሩሑ ሒሳባት ልዕሊ ዓቐን ምስራሕ
 ሒሳብ ኪኢላ ዘይሰርሖ /ዘየዳለዎ ምርግጋፅ
 ዝቐረበልካ ደረሰይ ተቐቢልካ ንነጋዳይ ክተፍትው ኢልካ
ኣድለይቲ ዘየኾኑ ኣብ ሒሳብ ምክታት
 ወ/ሮ ኤክስ ሰራሕተኛ ቤ/ፅሕፈት ትምህርቲ እንትኾና ኣብ
ወርሒ ግንቦት ካብ ስሩዕ መሃየአን ብር 2500.00 ዝስዕብ
ተወሳኺ ኣታዊ ረኺበን ተምሃሮ 10ይ ክፍሊ ንምፍታን
ኣበል 5ተ መዓልቲ 350.00 ፈታኒት ብምዃነን ዝተውሃበን
ኣበል ፈተና 5000.00 ፣ ካሪክለም ትምህርቲ 5ይ ክፍሊ
ብምድላው 3000.00፣ ንደቂ ኣንስትዮ ንምስልጣን ኣባል
ለ10 መዓልቲ 700፣ ስልጠና ንምሃብ 5000.00፣
ማንዋል እቲ ሰልጠና ንምድላው 700፣ ኣብ ሰፈረን ዕቁብ
ፅሓፊት ብምዃን ብር 12,000.00 ኣብ መወዳእታ መበል
52 ሰሙን ተኸፊልዎን፡፡ ወ/ሮ ኤክስ ኣብ ወርሒ ግንቦት
ዝረኸቦኦ ኣታዊን ክኸፍለኦ ዝግባእ ስራሕ ግብሪ ኣውፅእ
 ኣይተ ዋይ ኣብ ወርሒ ሓምለ 1/2004 ዓ/ም ኣብ መቐለ
ዝሰርሕዎ በዓል 2ተ ደብሪ ሕንፃ ንሓደ ቤ/ቲ መውዓለ
ህፃናት ብብር 15,000 ኣብ ከተማ ዓ/ግራት ዝርከብ ህንፃ
ድማ ንወጋገን ባንክ ብብር
 10,000.00 ንሕድ ሕዶም ንወርሒ ኣካርዮም ኣብ
መቐለ ዝርከብ መውዓለ ህፃናት ን3 ደቆም ንወርሒ ብር
500 ሒሳብ ብነፃ የምህረሎም ወጋገን ባንኪ ድማ ክራይ
መሬት በብ ዓመቱ ብሽሞም ብር 2700.00 ይኽፍለሎም
፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ብዝገበርዎ ስምምዕ ብር
20,000.00 ብምኽፋል ሕድሳት ገይርሎም ፡፡
 ኣይተ ዋይ ኣብ መቐለ ንዘሎ ህንፃ ብር 250,000 ፣ ኣብ
ዓ/ግራት ንዘሎ ብር 150,000 መስርሒ ዋጋ ብቤት ማዘጋጃ
መስርሒ ዋጋ ብዕለት12/11/2004 ዓ.ም ዝተረጋገፀ ምኻኑን
ንመሓደሲ ኣብ መቐለ ንዘሎ ህንፃ ብር 15,000 ወፃኢ
ከምዝገብሩ ህጋዊ መረዳእታ ኣቅሪቦም፡፡
 - ኣብ ከተማ ዓ/ግራት ብሽሞም ንዝረከብ ትካል ንግዲ ሽቐጣ
ሽቐጥ ድማ ብር 70000 ተፀኒዕሎም
 ኣይተ ዋይ ኣብ ወርሒ መስከረም 20/2005 ካብ ክራይ
ንዝረኽብዎ ኣታዊ ሒ/መዝገብ ኣዳልዮም እንተቅርቦም
ክኽፍልዎ ዝግባእ ክራይ ግብርን ተር ኣቨርታክስን ክንደይ እዩ ፡፡
ኣብቲ ዝተጠቐሰ ወርሒ ሒ/መዝገበ እንተይኣዳልዩ ኣታዊኦም
እንተፍሊጦም ዝኽፍልዎ ክራይ ግብሪ ክንደይ እየን ንግዲ
ትርፊ ግብሪ ክንደየ ይኽፍሉ
 .ኣይተ ዳውሊው ነባርነቶም ኣብ ከተማ ሽረ እንትኸውን
ብሽሞም ዝስዕቡ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ ትካላት ኣለውዎም
 ኣብ ከተማ ሽረ ትካል መለዋወጢ ኣቑሑት ከተማ
ዓ/ግራት ቡቲክ ፣ ኣብ ራያ ዓዘቦን ኣብ ከተማ መቐለ
ድማ ትካል ንግ ሸቐጣ ሸቐጥ ኣለዎም ኣብ ሕድ ሕድ
ከተማ ብዝተገበረ መዓልታዊ እቶት መፅናዕቲ ዝስዕብ
ዓመታዊ እቶት ተፀኒዕሎም
◦ ሸ/ሸ/----------- ብር 22,500.00
◦ ቡቲክ-------------ብር 52,700.00
◦ መለዋወጢ ኣቑሑት ------ብር 21,600.00
◦ እንሰሳ ሕክምና ግልጋሎት ብር 20,000.00
◦ ካብ እንሰሳ መድሓኒት መሸጣ ብር 50,000
ግብሮም ኣብ ሓምለ 20/2004 ተወሲኑ በቲ መፅናዕቲ
መሰረት ዝግባእ ግብርን ተርን ኦቨር ታክስን ተወሲንሎም
ይኹን እምበር ኣብ መዓልታዊ እቶት መፅናዕቲ ዘይተኻተተ
ንመከላኸሊ ሃገር ዝሽጥዎ መረዳእታ መለዋወጢ ኣቁሑት
ብር 125,000 ካብ ኣልመዳ ዝገዝእዎ መረዳእታ ዕድጊት
ዝተፈላለዩ ክዳውንቲ (ቡቲካት) ብር 250,000
ተረኺብዎም እቲ ዝተረኸበ መረዳእታ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ
30/2005 እንተተወሲኑ አይተ ዳውሊው ዝኸፍልዎ ግብሪ
ተርንኣቨር ታክስን መቅፃዕትታን ወሰን
መብርሂ፡- ብተሃሳቢ ዝተኽፈለ ናይ 2004 በጀት ዓመት
ንግዲ ትርፊ ብር 3000 ተርን ኦቨር ታክስ መሸጣ ብር
4000
 ሓደ ናይ ሃይማኖት ትካል ኣብ 2005 በጀት ዓመት
◦ ካብ ሃይማኖት መፅሓፍቲ መሸጣ ብር 20,000 ረኺቦም
◦ ሃይማኖት ትምህርቲ ብምምሓር ብር 40,000 ሓገዝ ረኺቦም
◦ እቲ ሃይማኖት ትካል ካብ ሓደ ውልቀ ሰብ ዝውነን ግምቱ ብር
300000.00 ዘውፅእ ባዓል 250 ካሬ ሜትር ገዛ ስእለት
ለዝነበሮ ብዕለት 12/03/2005 ዓ.ም በቲ ሃይማኖት ትካል
ሽም ማህደር ኣዛዊሩ። እቲ ሃይማኖት ትካል ድማ ካብ ዝተረከቦ
እዋን ጀሚሩ ናይ 5 ክፍሊ ስሩሕ ስለዝነበሮ ንሓደ ዓመት
ንወርሒ ብር 2250 ንሓደ ትካል ከምዘካረዩ ቤት ፅ/ት ልምዓት
እቶት መረዳእታታት ረኺቡ።
 እቲ ሃይማኖት ትካል ካብ ሓደ ነጋዳይ በዓል 3 ቦኽራ በኤሌክትሪክ
ትሰርሕ ብዕለት 1/11/2004 ብብር 200000.00 ገዚኡ ካብ
ዕለት 5/11/2004 ዓ.ም 5 ሰራሕተኛታት ብብር 300 ኩንትራት
ቆፂሩ እናሰርሐ ይርከብ። ስለዚ እቲ ሃይማኖት ትካል ግብርን ታክስን
ክኽፈል ዝግበኦ ተኾይኑ ብብዓይነቱ ብዝርዝር ግለፅ።ግብርን
ታክስን ዘይግብኦ ተኾይኑ ድማ ንምንታይ ዝብል ብግልፂ ዘርዝር።
 ኣብ ሽረ ዝነብር ናይ መስተ መከፋፈሊ ቫት ምዝጉብ ኣብ
ሽረ ከተማን ኣብ ሽራሮ ከተማን ኸይዱ መስተ የከፋፍል
ኮይኑ ምስ ናይ ሽራሮ ዘሎ ነጋዳይ ኣብ ውዕልን መርትዖን
ካብ ሓደ ካሳ ብር 10 ንክሕቦ ዝተዋዓዓሉ ምዃኖም
ቤ/ፅሕፈት ሽራሮ ል/እቶት ዝፀደቐ ውዕሊ ረኺቡ ስለዚ እቲ
ቤት ፅሕፈት እቶም ናይ ሸራሮ ነዳጋይ ዝሸጥዎ በዝሒ ካሳ
1400 ንሓደ ካሳ 100 ብር ከምዝተሸጠ እቲ ዝሽወጥ ዘሎ
ብዘይ ደረሰኝ ምዃኑን በዓል ሞያ መረዳእታ መፅናዕቲ
ኣጠናኺሩ መረዳእታ ናብ ቤ/ፅሕፈት ኣቕሪቡ ስለዚ ናይ
ከተማ ሽራሮ ነጋዳይ ግብርን ታክስን ክኽፍሎ ዝግባእ
ኽንደይ እዩ? ቤት ፅሕፈት ከተማ ሽራሮ ከጠናኽሮ ዝግባእ
መረዳእታ ኣሎዶ? ግለፅ
 ኣብ 2004 ዓ/ም ኣይተ ከበደ ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ
ሰሊጥ ግብሪ 1.5 ሚሊየን 20 ኩንታል ካብ ገባር ዝዓደጉ
ምዃኖም ናይ ቃፍታ ሑመራ ሕርሻ ገጠር ቤ/ፅሕፈት
መረዳእታ ልኢኹ ስለዚ እቶም ተጠቃሲ 15 ኩንታል ብር
1.2 ሚልየን ECX ከምዘሻወጠሎም with holding tax
ካብ ብር 1.2 ሚልየን 2% ተቀናሲ ግብሪን VAT 15% ካብ
1.2 ሚልየን ብር 180,000 ቐኒሱ ከምዘትረፈን ቕብሊት
ደረሰኝ ከምዝሃቦምን
 ኣብ 2004 ዓ/ም ኣይተ ከበደ ኣብ ከተማ ሰቲት ሑመራ
ሰሊጥ ግብሪ 1.5 ሚሊየን 20 ኩንታል ካብ ገባር ዝዓደጉ
ምዃኖም ናይ ቃፍታ ሑመራ ሕርሻ ገጠር ቤ/ፅሕፈት
መረዳእታ ልኢኹ ስለዚ እቶም ተጠቃሲ 15 ኩንታል ብር
1.2 ሚልየን ECX ከምዘሻወጠሎም with holding tax
ካብ ብር 1.2 ሚልየን 2% ተቀናሲ ግብሪን VAT 15% ካብ
1.2 ሚልየን ብር 180,000 ቐኒሱ ከምዘትረፈን ቕብሊት
ደረሰኝ ከምዝሃቦምን
 መብርሂ ፡-
 እቶም ተጠቓሲ ካብ 1/11/2003 ዓ/ም ቫት
ምዝጉም ምዃኖም ፣ ቫት ወርሓዊ ዲክለር ባዶ
 ዘቅርቡ ምንባሮም ኣብ ፋይሎም ዘሎ ሰነድ ይሕብር።
ስለዚ ክኽፍሎ ዝግባእ ቫት ምስ መቕፃእቱ ወስን
 ኤም ስኳር ፋብሪካ ስኳር ንምምራት ኣብ 2004 በጀት
ዓመት ወርሒ ሰነ ዝተፈላለየ ወፃኢ ዘውፅእዎ
ጥረ ኣቕሓ ብር 1,200,000
ጉልበት ዋጋ ብር 80,000
ፅገና ማሽን ብር 16,000
ማይን ፣መብራህትን ስልክን፣ ብር 36,000
እርጋን ማሽን ብር 80,000
ኣብ ወርሒ ሰነ EXCISE TAX ክንደይ ይኸፍሉ
 ወ/ሮ ሬድ ኣብ ከተማ ዓድዋ ብሕንፃ መሳርሒ ካብ ዕለት
12/06/2005 ዓ/ም ቫት ተመዝጊበን ስራሕ
ከምዝጀመራን ቕድሚ ምምዝጋበን ናይ 6ተ ወርሒ ዝነበረ
ጠቕላላ ንብረት ግዝኢት እንተቁፅራ ዝተረኸበን መረዳእታ
ካብ ቫት ዘይተመዝገቡ ብር 400,000 ዝግመት ንመሸጣ
ዝቀረበ ንብረት ከምዝተረኸበን ኸእውን ካብ ቫት
ዝተመዝገቡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ጥሪ ዝተገዝአ
ንብረት ብር 600,000 ዘውፅእ ህንፃ መሳርሒ ግዝኢት
ከምዝፈፀሙን ቫት ዝትኸፈለሉ ምዃኑ ቤት ፅሕፈት
ልምዓት እቶት እቲ ዝቐረበ መረዳእታ ኣረጋጊፁ ።
እተን ተጠቃሲት ኣብ ወርሒ መጋቢት 2005ዓ/ም ብር
200,000 ምስሸጣ ብዝኾነ ምኽንያት እቲ ትካል
ጠቕሊለን ክኣፅዎኦ ተደልየን ቤ/ፅሕፈት ልምዓት እቶት
ግቡኡን ክሓቶ ዝግባእን እንታይ እዩ ? ብዝርዝር ይቕረብ?
ኤ ቢ ፅ /መሳርሒ
ናይ ትርፍን ኺሳራን መግለፂ
ሓምለ 1/2004 ክሳብ ሰነ 30/2005

መሸጣ ---------------------- 690,000


ኣብ ዓመት ዝተሸጡ ኣቁሑት ዋጋ ---- 350,000
ዘይተፃረየ ትርፊ----------------- 340,000
 ምምሕዳራዊ ወፃኢ
 ንበዓል ገዛአን መሃያ በብ ወርሑ 3000 ብዓመት ዝተኸፈለ ብር
36,000
 ካብ ውልቀ ሰብ ዝተለቀሖኦ ወለድ ዝተኸፈለ ብር -------
50,000
 ንገዛ ኪራይ ብናይ ውሽጢ ስምምዕነት ወርሓዊ ክራይ ብር
1,500
 ብምውዕዓል ናይ ሓደ ዓመት ዝተኸፈለ ብር ---------
18,000
 ናይቲ ድርጅት ኣቁሑ ንኢንሹራንስ ዝተኸፈለ ብር----------
3,000
 ነቲ ድርጅት ዝውዕል ንቀዋሚ ንብረት ዝተኸፈለ ብር ------
40,000
 TOT ካብ ዝተፈላለየ ዕድጊታት ዝተኸፈለ ኽፍሊት- ------
8,000
 ናይ ወፃኢ እርጋን ብር ----------------------
 ኣብ ከባቢኤን ንደኽታማት ቆልዑ ዝሕብሕባ ሓገዝ ሂበን ብር
42,000
 ንንግዲ ባንክ ኢንትዮጵያ ወለድ ዝተኸፈለ ብር-------- 30,000
 ኢንሹራንስ ዝተኸፈለሉ ኣቅሓ ኣብ መንገዲ እናሃለወ ዝጠፈአ
 ኣቁሑ ግምቱ-------------------------- 60,000
 ጠቅላላ ወፃኢ ----------------------- 307,000
 ናይቲ ዓመት ዝተፃረየ ትርፊ------------------- 23,000
 ሓባሪ
 ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ ሓሳብ መዝገብ ባዓል መዚ ልምዓት እቶት
ንምምርማር ካብ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ሃፍቲ ተፈጥሮ ቢሮ ናይ
2005 በጀት ዓመት ብሽመን ቅድመ ክፍሊት ተቀናሲ ግብሪ 2%
ዝገበርኦ ብር 15,000 ካብ ዝተረኸበ መረዳእታ ውሽጢ ብር
12000 ክፍሊት ተቀናሲ ብሽም ትካለን ዝትቀነሰ ምዃኑ፣ ደጋፊ
ሰነድ ዘቅረባ ምዃነንን ነቲ ዝተቀነሰ በቲ ቤት ፅሕፈት
ዝፈቀደለን ናይ ኢድ ብኢድ ቅብሊት ደረሰኝ ዝቆረፃ ምዃነንን
ኣብ ዓመታዊ መሽጠአን ዝተኻተተ ምዃኑ ትረጋጊፁ።
 ኣብ ደጋፊ ሰነድን ዝተረኸበ
ዓመታዊ ግዝኢት ብር ----------------------- 350,000
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዞረ ስቶር ----------------- 100,000
ናብ ቀፃሊ ዓመት ዝዘውር ስቶክ ------------------ 80,000
 ናይ ቀዋሚ ኣቑሑት ዋጋ ግዝኢት ብዕለት 1/5/03 ኮምፒተር ምስ
ፕሪንተር ሓዊሱ ዝተገዝአ ምዃኑ
 ወለድ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ምስ ድርጅት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ
 ብልቃሕ ዝሃብኦ ሰብ ክምልስ ከምዘይኽእል ብቤት ፍርዲ ዝተረጋገፀ
ምዃኑ ስለ ዝፈለጣ ኣብ ወፃኢ እኩብ ዕዳ ሒዘንኦ።
 ንኢንሹራንስ ዝተኸፈለ ምስቲ ድርጅት ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ይሕብር ፡፡
 NB. በቲ ዘቅረብኦ ሒሳብ መዝገብ መሰረት ግብርን ታክስን
ዝኸፈላሉን ቫት ምዝግብቲ ምዃነን ስለ ዝተረጋገፀ ክኸፈል ዝግባእ
ግብርን ታክስን ምስ መቅፃዕቱ ኽንደይ እዩ?
ኤች ዋይ ሕ/መሳርሒ
ናይ ትርፍን ኺሳራን መግለፂ
ካብ ሓምለ 1/2003 ክሳብ ሰነ 30/2004
 መሸጣ ------------------------ 1,000,000
 ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዞረ ስቶክ ------ 220,00
 ናይ ዓመት ግዝኢት --------------1140,000
 ንመሸጣ ዝቀረበ-----------------1,360,000
 እንትቅነስ ኣብ መወዳእታ ዓመት
 ናብ ቀፃሊ ዓመት ዝዞውር ስቶክ --------- 480,000
 ኣብቲ ዓመት ዝተሸጡ ኣቁሑት ዋጋ ------- 880,000
 ዘይተፃረየ ትርፊ------------------------
120,000
 ምም/ር ወፃኢ
 መጋዓዓዝያ ወፃኢ --------------- 20,000
 መፅዓኒን መራገፍን ወፃኢ ------------ 2,000
 መሃያ ወፃኢ ----------------- 30,000
 ሰልክን መብራህትን ማይን ወፃኢ ------ 6,000
 ገዛ ኪራይ ------------------- 12,000
 ወፃኢ እርጋን ----------------- 5,000
 ግብርን ታክስን --------------- 6,000
 መንገዲ ኣየር ወፃኢ------------------
1,692.00
 ጠቅላላ ወፃኢ---------------------
82,692.00
 ናይቲ ዓመት ዝተፃረየ ትርፊ------------
37,308.00
 ተኸፋሊ ግብሪ ------------------
6,507.00
 ቅድመ ክፍሊት ተቀናሲ ግብሪ 2%--------
25,000.00
 ተመላሳሲ ግብሪ --------------
(18,493.00)
 ነቲ ሒሳብ መዝገብ ዘቅርብዎ ደገፍቲ ሰነዳት
 ዝገዝእዎ ኣቁሑት ኮድ 3ተ ተሽከርካሪት ውልቀ ንግዲ ዝፃዓኑ
ዝፅግኑ ምዃኖም ዝገልፅን ውዕሊ መረዳእታ ኣቅሪቦምሉ
 መፅዓንን መራገፍን ናይ ዝፀዓንሉን ዘራገፍሎምን ብዝሓቱ ኣብ
ተኸፋሊ ሒሳብ ተቀባሊ ገንዘብ ዝፈረሙ ምዃኖምን ውዕሊ
መፈፀሚ ድማ ዘፈረሙ ምዃኖም
 መሃያ ወፃኢ ብር 15,000 ቀወምቲ ሰራሕተኛ ቆፂሮም በቢ
ወርሑ ናብ ከባቢኦም ልምዓት እቶት ቤት ፅሕፈት ዘፍለጡ
ምዃኖም
 ኣብ መንበሪ ቤቶምን ዘለዋ ናይ ቤት እመቤት ኽልተ ሰራሕተኛ
ብወርሒ ብር 300 ኣብ ዓመት ብር 7,200 ዝተኸፈለን ምዃኑ
ኣብ ተኸፋሊ ሒሳበን ይሕብር
 ንደላሊ ብወርሒ ብር 650 ኣብ ዓመት ብር 7,800 ዝተኸፈለ
ምዃኑ ኣብ ተከፋሊ ሒሳብ ዝተኸፈለ ምዃኑ ይሕብር ፡፡
 ስልኪ ንሞባይል ካርዲ ብር 2,000 ወፃኢ ዝገበሩ ምዃኖምን ኣብ
ተከፋሊ ሒሳብ ይገልፅ
 መብራህቲ ናይ መንበሪ ቤቶም ብር 2,500 ወፃኢ ዝኾነ ቢል ቀሪቡ
ኸምኡ’ውን እቲ ዝተኻረይዎ ደርጅት ብሽም እቲ በዓል ቤት ዝተኸፈለ
ወፃኢ በዕለይ ስለዝኸፈልክዎ ኢሎም ብር 1,000 ዝተከፈለ ቢል
ኣቅሪቦም
 ንመንበሪ ቤቶም ብር 500 ማይ ወፃኢ ዝገበሩሉ ቢል ኣቅሪቦም
 ብዕለት 28/10/2003 ብር 340,000 ካብ ዕለት 1/11/2003-
30/9/2004 ብር 800,000 ጠቅላላ ብር 1,140,000 ንመሸጣ
ዝውዕል ግዝኢት ደረሰኝ ቀሪቡ፡፡
 ገዛ ኪራይ ኣብ ውዕልን መርትዖን ተካራይን መካረይን ዝተዋዓዓሉሉ
ወዕሊ ቀሪቡ
 ወፃኢ አርጋን ንተንቀሳቃሲ ኣቁሑት መግዝኢ ዋጋ
ብዕለት1/11/2003 ቀዋሚ ንብረት ብር 25000 ንቲ ድርጅት
ዝተገዝአ ምኻኑ
 ግብርን ታክስን ብር 2,000 ተርን ኦቨር ታክሰ ዝኸፈለሉ
ወፃኢ ደረሰኝ ኣቅሪቦም ብብር 4,000 ንመንበሪ ቤቶም
ግብሪ መሬት ዝተኸፈለሉ ደረሰኝ ኣቅሪቦም
 መንገዲ ኣየር ወፃኢ ዝኸድሉ ደረሰኝ ውዕሊ ትኬት ኣቅሪቦም
 ተከፋሊ ሒሳብ ተቀኒሱ ዝተኸፈለ ብር 16000 ደረሰኛት
ምስ ዓመታዊ መሸጠኦም ዝተገናዘበ ምዃኑ ኣብ ሰነዶም
ተረኺቡ
 NB. በቲ ዘቅረብዎ ሒሳብ መዝገብ መሰረት ግብርን ታክስን
ዝኸፈልሉን ቫት ምዝጉብ ምዃኖም ስለ ዝተረጋገፀ ክኸፈል
ዝግባእ ግብርን ታክስን ምስ መቅፃዕቱ ኽንደይ እዩ?
ኤሲ ሕንፃ መሳርሒ
ናይ ትርፍን ኺሳራን መግለፂ
ካብ ሓምለ 1/2002 ክሳብ ሰነ 30/2003ዓ/ም
 መሸጣ 398,000
 ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዞረ ስቶክ 100,000
 ናይ ዓመት ግዝኢት 300,000
 ንመሸጣ ዝቀረበ 400,000
 እንትቅነስ ኣብ መወዳእታ ዓመት
 ንቐፃሊ ዓመት ዝዘውር ስቶክ 150,000
 ኣብቲ ዓመት ዝተሸጡ ኣቁሑት ዋጋ 250,000
 ዘይተፃረየ ትርፊ 148,000
 ምምሕዳራዊ ወፃኢ
 መጓዓዓዝያ ወፃኢ ------------- 15,000
 መፅዓኒን መራገፍን ወፃኢ --- 4,000
 መሃያ ወፃኢ -------------- 18,000
 ሰልኪ፣ መብራህትን ማይን ወፃኢ 1600
 ገዛ ኪራይ ---------------- 36,000
 ንፅገና ---------------------60,000
 ወፃኢ እርጋን ------------------14,000
 ኢንሹራንስ (ደሕንነት) ወፃኢ 12,000
 ንፅሕፈት መሳርሒ 50
 ንሒሳብ መዳለዊ ---------- 4,000
 ጠቅላላ ወፃኢ ------------- 134,650
 ናይቲ ዓመት ዝተፃረየ ትርፊ---- 3,350
 ተኸፋሊ ግብሪ ---------------- 155
 ነቲ ሒሳብ መዝገበ ዘቅርብዎ ደገፍቲ ሰነዳት
 ነቲ ዝገዝእዎ ኣቁሑት ኮድ 3ተ ተሽከርካሪት ውልቀ ንግዲ ዝፅገኑ
ምዃኖም ዝገልፅን ውዕሊ መረዳእታ ኣቅሪቦምሉ
 መፅዓንን መራገፍን ናይ ዝፀዓንሉን ዘራገፍሎምን ብዝሓቱ ኣብ
ተኸፋሊ ሒሳብ ወሰድቲ ዝፈረሙ ምዃኖም ንውዕሊ መፈፀሚ ድማ
ዘፈረሙ ምዃኖም
 መሃያ ወፃኢ ብር 15,000 ምስ ባዕሎም ዝነበረ ውላዶም ወርሓዊ
ኽፍሊት ብር 1,250 ናብ ከባቢኦም ልምዓት እቶት ቤት ፅሕፈት
ዘፍለጡ ምዃኖም
 ስልኪ ብሽሞም ዝፍለጥ ብር1,600 ወፃኢ ዝገበሩ ምዃኖምን ኣብ ተከፋሊ
ሒሳብ ይገልፅ
 ወፃኢ አርጋን ንተንቀሳቃሲ ኣቁሑት መግዝኢ ዋጋ ብዕለት 1/11/2001
ኮምፒተር ምስ ፕሪንተር ሓዊሱ ብር 80000 ዝተገዝአ ምዃኑ
 ንተንቀሳቃሲ ኣቁሑት ፅገና ዝወፅእ ዝተፈላለዩ ደረሰኛት ሽም ዓዳጊ ሽም
ሸዋጢ ፣ ዕለት ፣ ፊርማ፣ ዝተነፀረን ኣቑሑት ዋጋ ግዝኢት ኣቅሪቦም
 ገዛ ኪራይ ወርሓዊ ብር 1000 ካብ ዕለት 1/11/2002 ጀሚሮም ንሰለሰተ
ዓመት ኣብ ውዕልን መርትዖን ተዋዓዒሎም ቅድመ ክፍሊት ድማ ብር
36,000 ኸፊሎም
 ኢንሹራንስ (ድሕንነት) ኣብ ሓምለ 1/2002 - ሰነ 20/2005 ዓ/ም ብር
12000 ብሕጋዊ ደረሰኝ ተቀቢሎም
 ንፅሕፈት መሳርሒ ዘውፅእዎ ብሕጋዊ ደረሰኝ ተቀቢሎም
 ንሒሳብ መዳለዊ ዝተኸፈለ ደረሰኝ ብተራ ፋክቱር ዝወፅእ ወፃኢ ኸፊሎም
 NB. በቲ ዘቅረብዎ ሒሳብ መዝገብ መሰረት ግብርን ታክስን ዝኸፈልሉን ቫት
ምዝጉብ ምዃኖም ስለ ዝተረጋገፀ ክኸፈል ዝግባእ ግብርን ታክስን ምስ
መቅፃዕቱ ኽንደይ እዩ?
ጂዋይ መስተ መከፋፈሊ
ናይ ትርፍን ኺሳራን መግለፂ
ካብ 1/11/2004 -ሰነ 30/2005 ዓ/ም
 መሸጣ ------------------- 3,850,000
 ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዝረ ስቶክ 250,000
 ናይ ዓመት ግዝኢት --------- 2,900,000
 ንመሸጣ ዝቀረበ------------------ 3150,000
 እንትቅነስ ኣብ መወዳእታ ዓመት
 እስቶክ ዝነበር ----------------------- 500,000
 ኣብቲ ዓመት ዝተሸጡ ኣቁሑት ዋጋ
2,650,000
 ዘይተፃረየ ትርፊ--------------------------
1,200,000
 ምም/ር ወፃኢ
 መፅዓኒን መራገፍን ወፃኢ ---------
20,000
 መሃያ ወፃኢ -------------------- 52,000
 ሰልኪ------------------------- 22,000
 ንፅገና ------------------------ 490,000
 ንእርጋን ወፃኢ ------------------ 300,500
 ኢንሹራንስ (ደሕንነት) ወፃኢ ---------
120,000
 ንፅሕፈት መሳርሒ-------------- 2000
 ንገዛ ኪራይ ---------------- 60,000
 ንሒሳብ መዳለዊ-------------- 6,000
 ጠቅላላ ወፃኢ---------------- 1,072,500
 ናይ ዓመት ዝተፃረየ ትርፊ----------
127,500
 ነቲ ሒሳብ መዝገብ ዘቅርብዎ ደገፍቲ ሰነዳት
 መፅዓንን መራገፍን ብትክክል ልኽፈሉ ምዃኖም መረጋገፂ
ኣቅሪቦም
 ካብ ብር 12,000 መሸጢ 5,000 ብር ነቶም ሰራሕተኛታት
ኣብቲ በጀት ግዜ ፅቡቕ ስለ ዝሰርሑሎም ዓሰርተ ሰባት ብር
500 ዝሃብዎም ምዃኖም ብኸፍሊተ ሐሲብ (payment
voucher) ተረጋጊፁ፡፡
 ንተሽከርከርቲ ፅገና ኣቁሑ ዝወፅኡ ዝተፈላለዩ ደረሰኛት
ዝተነፀረ ደረሰኝ ኣቅሪቦም
 ብር 10,000 ንወፃኢ ናብ ወዶም ዝተደወለሉ ቢል ኣቅሪቦምሉ
እቲ ዝተረፈ ብር 12,000 ድማ ድርጅት ሽም ዝወፀ ምዃኑ ቢል
ኣቅሪቦም
 ወፃኢ አርጋን ብPooling Depreciation method
ዝተጠቀሙ ምዃኖምን ናይ መጀመርታ መግዝኢ ዋጋ ብር
1,502,500 ብዕለት 1/9/2005 ዝተገዝአ ምኳኑ
 ካብ ጠቅላላ ወፃኢ ብር 20,000 ንተሽከርከርቲ ኢንሹራንስ
ነቲ በጀት ዓመት ዝገልፅ ተኸፊሉ ዝተረፈ ብር 100,000
ብውልቀኦም ዝሰርሕዎ G+4 ህንፃ ንኢንሹራንስ ክኸፈሉ ደረሰም
ኣቅሪቦም
 ንፅ/መሳርሒ ዘወፅአ ወፃኢ ሕጋዊ ደረሰኝ ኣቅሪቦም
 ንገዛ ኪራይ ኣብ ውዕሊን መርትዖን ዝተዋዓዓልሉን ዝፀደቁ
ውዕሊ ኣቅሪቦም
 ንሒሳብ ኸኢላ ዝተኸፈለ ሕጋዊ ደረሰኝ ኣቅሪቦም
ልምዓት እቶት ቤ/ፅሕፈት ዝረኸቦም መረዳእታ
 ኣብ ክልል ኢጀንሲ ልምዓት እቶት መረዳእታ ብር
320,0000 ግዝኢት ዝፈፀሙሉ ዝተለኣኸ መረዳእታ ኣብ
ፋይሎም ተጠናኺሩ ተረኺቡ
 NB. በቲ ዘቅረብዎ ሒሳብ መዝገብ መሰረት ግብርን
ታክስን ዝኸፈልሉን ቫት ምዝጉብ ምዃኖም ስለ ዝተረጋገፀ
ክኸፈል ዝግባእ ግብርን ታክስን ምስ መቅፃዕቱ ኽንደይ እዩ?
ሰገን ሆቴል
ትርፉን ኺሳራን መግለፂ
ሓምለ 1/2004- ሰነ 30/2005 ዓ/ም
 ኣታዊ
 ኣብ መሸጣ---------------- 200,000
 ካብ ግልጋሎት ---------- 100,000
 ጠቅላላ ኣታዊ-------------- 270,000
 ኣብ ፋለማይ ዝነበረ ኣቅሓ ዋጋ---- 20,000
 ናይ ዓመት ግዝኢት -------- 220,000
 ንመሸጣ ዝቀረበ ኣቁሑት ----- 240,000
 እንትጎድል ኣብ መወዳእታ ዓመት
 እስቶክ ዝነበረ --------------------- 15,000
 ኣብቲ ዓመት ዝተሸጡ ኣቁሑት ዋጋ 225,000
 ዘይተፃረየ ትርፊ------------------------ 45,000
 ምምሕዳራዊ ወፃኢ
 ንመሃያ---------------------------------8,000
 ንማይ--------------------------------- 400
 መብራህቲ----------------------------- 2600
 ስልኪ---------------------------------- 2000
 ንፅሕፈት መሳርሒ---------------------- 200
 እርጋን ተቀናሲ----------------------------10,000
 ወለድ----------------------------------5000
 መሓደሲ ፍቃድ--------------------------- 4000
 ጠቅላላ ወፃኢ- ------------------ 32,200
 ናይቲ ዓመት ዝተፃረየ ትርፊ------------------ 12,800
 ተኸፋሊ ግብሪ --- ---------------------1350
 ነቲ ሒሳብ መዝገብ ዘቅርብዎ ደገፍቲ ሰነዳት
 ናይ ሆቴል መስተናገድቲ በብሰሙኑ ዝኽፈለሉ ናይ ባዕሎም
መቆፃፀሪ ዝጥቀሙሉ ሰነድ ኣብ መወዳእ ዓመት ምስ ሒሳብ
መዝገቦም ኣቅሪቦም
 ንፅ/መሳርሒ ዝወፅእ ሕጋዊ ደረሰኝ ኣቅሪቦም
 ንማይ ዝወፅእ ወፃኢ ዝተኸፈለ ቢል ኣቅሪቦም
 ንመብራህቲ ዝወፅእ ወፃኢ ዝተኸፈለ ቢል ኣቅሪቦም
 ንስልኪ ዝወፅእ ወፃኢ ዝተኸፈለ ቢል ኣቅሪቦም
 ናይቲ ህንፃ ግምት ብናይ ደገ ኮንሰልታንት በዓል ሞያ ዝተገመተ
/ዝተደገፈን ቢልኣፍ ኳንቲቲ እርጋን ተቀናሲ ወፃኢ ሒዞም ኸምኡ
‘ውን ብኡ ኣቢሎም ካብ ዳሽን ባንክ ብምልቃሕ ብር 5,000
ወለድ ኺፊሎም
 ኣብ ከተማ ልምዓትን ንግድን ኢንድስትሪን ከይዲ ሰራሕ ንግዲ
ምስፍሕፋሕ ብእዋኖም ስለዘይሓደሱ ብር 4,000 መቅፃዕቲ
ኸፊሎም
ልምዓት እቶት ቤት ፅሕፈት ዝረኸቦም መረዳእታ
 ካብ ኮንስትራክሽን መንገዲ ትራንስፖርትን ቤት ፅሕፈት
እቶም ተጠቃሲ ሓንቲ ተሽከርከርቲ በዓል 24 ሰብ
ዝትትሕዝ ሓንቲ ደረቅ ፅዕነት ዝትፅዕን በዓል 35 ኩንታል
ተሸከርከርቲ ዝድለይ ግብሪ ዝኸፈሉ ምዃኖም ዝሕብር
መረዳእታ ኣብ ፋይሎም ተታሓሒዙ
 NB. በቲ ዘቅረብዎ ሒሳብ መዝገብ መሰረት ግብርን ታክስን
ዝኸፈልሉን ቫት ምዝጉብ ምዃኖም ስለ ዝተረጋገፀ ክኸፈል
ዝግባእ ግብርን ታክስን ምስ መቅፃዕቱ ኽንደይ እዩ?

You might also like