You are on page 1of 1

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን Eritreische Orthodox Tewahedo Kirche

ንኡስ ሃገረ ስብከት ጀርመን Diözese von Deutschland

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ንኡስ ሃገረ ስብከት ጀርመን

ናብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ


ኤውስታቴዎስ ዳርምሽታት
29. November 2019ዓ.ም.ፍ

ቁጽ/19-24-06/01-መሰ/ደ/ሽ/ER

ርእሰ-ነገር ፣ ኩነታት ቤተ ክርስትያን (ብሕጹጽ ኣብ ቤተ ክርስትያን ክንበብ ኣሎዎ)

በስምኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ ኣሜን

ብመጀመርያ ሰላም እግዚአብሔር ምሳኹም ይኹን። ቀጺልና ንዕለት 07.12.2019 ዓ.ፍ ዝጠለብክምዎ ኣኼባ፣
ብዘይስምምዕ ዝተጠልበ ኣኼባ ሰለዝኾነ፣ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣብ‘ዚ ተጠሊቡ ዘሎ ኣኼባ ከምዘይርከብ የፍልጥ። ከምኡ
ድማ ነዚ ተጠሊቡ ዘሎ ኣኼባ ናብ ካልእ ግዜ ስሒብኩም ብስምምዕ ክትሕብሩና ነትሓሳስብ።

ብምቕጻል እዚ ቤተ ክርስትያን እዚ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ከም ምዃኑ መጠን፣ ብሕጊ ቃለ-
ዓዋድን፣ ስርዓት ቤተ ክርስትያንን ተመሪሑ ክኸይድ ከምዘለዎ ሓበሬታ ዝድልዮ ኣይኮነን ። ሓደ ካብኡ ድማ ኣቦታትና
ማለት ቅዱስ ሲነዶስ ዝወሰንዎን፣ ዝሓገግዎን፣ ከምኡ ድማ ገዳማትን ሊቃውንትን ዝሰመርዎን ትእዛዝን ውሳነን ምቕባልን
ምትግባርን ኢዩ።

ነዚ ዘይቅበል ካህን ይኹን ዲያቆን ወይ‘ውን ምእመን ካብ ሰንሰለታዊ መሪሕነት ይወጽእ ስለዘሎ፣ ኣብ ጽፍሒ ሰበኻ
ጉባኤ ኮይኑ ክገልግል ክምዘይክእል ንሕብር።

ተወሳኺ ን/ሃ/ስ ጀርመን መጀመርያ ድሕነት ቤተ ክርስትያን ስለ ዘገድሶ፣ ንሰላም ቤተ ክርስትያን ዝዘርግ ካህን ይኹን
ዲያቆን ውይ ምእመን ን/ሃ/ስ ጀርመን ስጉምቲ ክወስድ ከምዝኽእል ድጊምና ነተሓሳስብ።

እግዚኣብሔር ተዋህዶ ሓይማኖትና ይባርኽ ።

ቅዳሕ፣
- ን/ወ/ቅ/ሲ/ኣ/ኤ/ቆ/ኣ/ሃብተወልድ
- ን/ሃ/ስ/ኤውሮጳ
- ኣቦ ወንበር ን/ሃ/ጀርመን ሊ/ካ/ መ/ ዘርኦም ኣብርሃ
ንኡስ ሃገረ ስብከ

1. März 2019
1
Dachverband der Eritreisch-Orthodoxe Kirche in Deutschland
Bankverbindung : IBAN: DE78 5085 0150 0006 0115 78

You might also like