You are on page 1of 2

ዝዝረቡ ቃላት ናይ ደመ-ነፍሳዊ ምልምማድ መግለጺ ክኾኑ ከለዉ ጽሑፋዊ ቃላት ድማ ናይ ዝዝረቡ ቃላት መግለጺ

እዮም ። ናይ ሕድሕድ ሰብ ኣተዓራርፋ ጽሕፈት ኢድ ከምዘይመሳሰል ኩሉ ዝመሳሰል ናይ ዘረባ ድምጸት'ውን የለን ። እቲ


ደመነፍሳዊ (ቀጥታዊ) ምልምማድ ወይ'ውን ኣብ ዙርያና ዘሎ ኩሉ ንለማመዶ ነገር ኣብ ሕልና ዝፈጥሮ ምስሊ ግን ንኹሉ
ሰብ መዓረ እዩ ።ስለ ዝኾነ'ውን ከም ሰብን ከም ስርዓት ዘለዎ ቋንቋ ተጠቃሚ ማሕበረሰብን ኣብ እንገብሮም ሕድሕድ
ግብርታት ኣብ ዙርያና ምስ ዘለዉ ሕድሕድ ናይ ሂወት መስተጋብራትን ንዖም ዝህልወና ዓጸፋዊ ምላሽን በቲ እንጥቀመሉ
ስርዓት ዘለዎ ቋንቋ ንዖም ዝገልጹ ቡቁዓት ቃላትን ሙሉእሓሳባትን ኣብ ሕልና ኩሉ ሰብ ክሕምሱ ክንገብር ክንክእል ኣለና ።
እዚ ንምግባር ዘኽእለና ቋንቋ ግን
እንታይን ከመይ ዝበለን እዩ ?
ቋንቋ ኣብ ርክብ ማሕበራዊ ናብራ ደቂ ሰባት ዕዙዝ እጃም ዘለዎን ንምቅልጣፍ ስራሕ ሓጋዚ ዝኾነ መረዳድኢ እዩ ። ኮይኑ
ግና ዘረዳድእ ኩሉ ቋንቋ ኣይኮነን። ቋንቋ ካብቶም ካልኦት ዘረዳድኡ ከም ምልክት ዝበሉን ቋንቋ እንስሳን ዝፈልይዎ
መሰረታዊ ባህርያት ኣለዉ። ካብኣቶም እዉን፦ ባህሪ ስርዓታዊነት ሓደ እዩ ። ንቋንቋ ስርዓት ክህልዎ ዝገብር ድማ ሰዋስው
እዩ ። ኩሎም ቋንቋታት ስነ-ድምጻውን ስነ-ድምጸልሳናዉን ስርዓት ክህልዎም ግድን እዩ ፤ ምኽንያቱም ቃላትን
ሙሉእሓሳባትን ከምኡውን ስነ-ምእላዳዉን መዋቕራዉን ስርዓታት ኣብ ዉሽጦም ሓቚፎም ስለዝሓዙ እዩ ። ኣብዞም
ዝተጠቀሱ መግለጺ ሰዋስው ኣብ ሞንጎ ቋንቋታት ዝረኣዩ ምምስሳላትን ተዘኣምዶን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም ፤ ኮይኑ ግና
ቋንቋታት ናይ ብሕቶም ሰዋስዋዊ ሕግታትን ከይድታትን ክህልዎም ግድን እዩ ። ነዚ ክብሎ ዝጸናሕኩ ባህሪ ቋንቋ በዞም
ሲዒቦም ዘለዉ መንጽራት ክግለጽ ይከኣል ፦
ስርዓት ድምጺ ፦ ኣብ ሓደ ቃል ዝርከቡ ድምጽታት በቲ ዝተለመደ ኣገባብ እንተተዋዲዶም ጥራሕ እዮም ትርጉም ክህቡ
ዝክእሉ ።
ስርዓት መዋቕር ፦ ቃላት ኣብ ዝኣትዉዎም ሓረጋትን ሙሉእሓሳባትን ዝተለመደ መስርዕ ወይ ስርዓት ኣወቃቅራ ኣለዎም ።
ንኣብነት ኣብ ቋንቋ ትግርኛ
በዓል ቤት --- ተስሓቢ---ግሲ ዝብል ስርዓት ኣወቃቅራ ኣሎ ፡፡
እዚ ዘርእየና ቋንቋ ብኣገባብ ወይ ብስርዓት ዝዋቀር ምዃኑ እዩ ።
ስርዓት ፍትሒት ፦ ሓደ ቃል ንሓደ ስያመ እዩ ዝዉክል ። እዚ ውክልና ከዓ ኣብ ሕድሕድ ሰብ ዘሎ ስምምዕ እዩ ። ስምምዕ
ብሙዃኑ ከዓ ዘላቅነት ክህልዎ ይግባእ ፤ ንምንታይሲ ትርጉም ቃልን ዝገልጾ ስይመን በቢጊዚኡ ዝለዋወጥ እንተኮይኑ ኣጸጋሚ
እዩ ። ኣጸጋምነቱ ከዓ ምርድዳእ ዝብል ነገር ስለዘፍርስ እዩ ። ስለዚ ምርድዳእ ንክህሉ ስርዓት ፍትሒት ክሕሎ ይግባእ ።
ቋንቋታትኩሎም መዓረ እዮም ። ኩሎም ቋንቋታት ኣብ ዘገልግልሉ ዓዉደ ልሳን ንዘሎ ማሕበረሰብ ብዘይ ምንም ጸገም
ከረዳድኡ ይክእሉ ። ስለዝኮነ'ዉን ቋንቋ ንዝዝረበሉ ዓዉደ ልሳን መሰረት ጌርካ ሓደ ቋንቋ ካብ ካሊእ ቋንቋ ምብልላጽ
ኣይከኣልን ።
ምልቕቃሕ ኣብ ቋንቋታት ባህርያዊ እዩ ። እዚ ባህርያት ቋንቋ ኣብ ንሓደ ቋንቋ ዝዛረቡ ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጦም ንዘየለን
ካብ ካሊእ ቋንቋ ተዛረብቲ ንዘታታተዉዎ ነገርን (ጽንሰ ሓሳብን) ምስቲ ነገር ተታሓሒዙ ንስያምኡ ምስ ዘተኣታትዉ ዝኽሰት
እዩ ። ሓደ ቋንቋ ቃላት ወይ መግለጺ ጽንሰሓሳባት እንትልቃሕ ምስ ናይ ባዕሉ ስርዓት ኣደማምጻ ከምዝሳነ ገይሩ እዩ ።
ናይ ቋንቋ ናይ ተለዋዋጥነት ባህሪ ጥቅልል ብዝበለ መልክዑ 'ቋንቋ ይዉለድ ፥ ይዓቢ ፥ ይመውት' ብዝብል ጽንሰ ሓሳብ
ክግለጽ ይከኣል ። ቋንቋ ይዉለድ እዩ ክንብል ከለና ፡ ብርግጽ ቋንቋ ይዉለድ ስለዝበልና በቢጊዚኡ ቋንቋታት ይፍጠሩ ማለት
ኣይኮነን ። ይኩን እምበር ቋንቋ ካብ ዘይምህላዉ ናብ ምህላዉ ዝመጸሉ ጊዜ ግን ዉልደቱ ዘርኢ እዩ ። ቋንቋ ናብ ናይ
ወዲ ሰብ ሂወት ምስ ምኽሳቱ ተታሒዙ ክልተ መማረጽታት ኣለዉ ። ሳይነስን ሃይማኖትን ።
ሳይነስ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ቋንቋ ፦ ሰብ ከምዚ ሐዚ ስርዓት ዘለዎ መረዳድኢ ቋንቋን ከም ማሕበረሰብ ሓቢርካ ምንባርን ኣብ
ዘይነበረሉ ጊዜ ወይ'ውን ሰብ ዘይስሩዕ ቋንቋ ኣብ ዝጥቀመሉ ዘበን ብዝነበሮ ዕለታዊ ዉዕሎ ምስ ኣብ ዙርይኡ ንዝነበረ
ተፈጥሮ ብደመ-ነፍሳዊ ምልምማድ ኣብ ሕልንኡ ካብ ዘስፈሮ ምስሊ ዕለታዊ ዉዕሎኡ ሓሊፉ እዚ ዝበሃል ኣስማት ነቶም
ደመ-ነፍሳዊ ምልምማዳቱ ኣይሰየመን ነይሩ ። ኣብ ከይዲ ጊዜ ግን ደቂ ሰባት ነቲ ዝገጥሞም ዝነበረ ተፈጥሮኣዊ ጸገማት
ንምቅላስ ምሕባር ጀሚሮም ። ሕብረቶም ድማ ነቶም ኣብ ሓበራውነት ዝኽውንዎም ግብርታት ስያመ ንምሃብ ኣኽኢልዎም
ኢሉ የቀምጥ ።
ሃይማኖት ብወገኑ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ቋንቋ ፦ ቋነቋ ንደቂ ሰባት ኣብ መጀመርታ ካብ ፈጣሪኦም ዝተዉሃበ ነገር ምንባሩን ከም
ሐዚ ብዓሌትን ወገንን ዝተፈላለየ ከይኮነስ ሓደ ቋንቋ ምንባሩን ኣብ ከይዲ ጊዜ ግን ሰብ ብዝፈጸሞ ጥፍኣት እታ ዝነበረት
ሓንቲ ቋንቋ ተኸፋፊላ ዓለም ነቲ ሐዚ ሒዛቶ ዘላ መልክዕ ክትሕዝ ክኢላ ኢሉ የቀምጥ ።
ናብ ኣተዓባብይኡ እንትንመጽእ ድማ ዕብየት ቋንቋ ክንገልጸሎም ካብ እንኽእል ነጥብታት ፡ በዝሒ ተዛረብቲ ምህላው ፥
ነቶም ናይቲ ቋንቋ ተጠቀምቲ ማሕበረሰብ ባህሎም ፥ እምነቶም ትዉፊታቶም ኮታስ ኩሉ ዕለታዊ ከይዲ መንብሮኦም
ብብቅዓት ምግላጽ እንተኽኢሉ ፤ ረቀቅትን ዓመቁትን ጽንሰ ሓሳባት ብብስለት ምግላጽ ምክኣሉ ፤ ምስ ዘበንን እቲ ዘበን
ዝጠልቦም ሳይነስን ቴክኖሎጂን ኢድን ጓንትን ኮይኑ ምኻድ ምኽኣሉ ገሊኦም እዮም ።
ኣማውትኡ'ውን እንተኾነ ምስ ምብራስ ተገልገልቱ ወይእውን ሓደ ማሕበረ ሰብ ብዝተፈላለየ ደጋዊ ይኹን ባዕላዊ ጽዕንቶታት
ነቲ ኣፍ መኽፈቲ ቋንቁኡ ሓዲጉ ካሊእ ቋንቋ እንትጥቀም ዘርኢ ከይዲ እዩ ። በዚ በለ በቲ ግን ኣብ ኣገልግሎት ዝነበረ
ቋንቋ ሙሉእ ብሙሉእ ተዛራቢ እንትስእን በሪሱ ( ሞይቱ ) ንብሎ ።
እስኪ ኣብ ነጥብታት መእተዊ ጽሑፍና ተወኪስና ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ገለገለ ብይናት ወይ ትዕዝብታት ክነቀምጥ ንፈትን ።

ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ልዕሊ ሽድሽተ ሽሕ ቋንቋታት እቲ ሓደ ትግርኛ እዩ ። ቋንቋ ትግርኛ ስርዓት ዘለዎን ነዓና
ንተጠቀምቱ ዘለና ባህሊ ፥ እምነት ፥ ያታን ትውፊትን ብምሉእነት ከምኡ ድማ ኩሉ ዕለታዊ ምንቅስቃሳትና ዳርጋ
ብምሉእነት ክገልጽ ዓቅሚ ኣለዎ ክንብሎ ንክእል እዩ ። ወዲ ሰብ ዘስተንትንን መንነቱ ዝቀሩጽን ብቋንቋ ገይሩ እዩ ። ሓደ
ትግራዋይ ብትግርኛን ብኻሊእ ቋንቋን ብጣዕሚ ኸም ዝሓዘነ እንትገልጽ ተመሳሳሊ ናይ ሓዘን ስምዒት ኣይኮነን ክገልጽ ዝኽእል
። ምኽንያቱ ቋንቋ ትግርኛ እቲ ንዓለም ምግንዛብ ዝጀመረሉን መንነቱን ስምዒታቱን ዝቀረጸሉ መሳርሒ ስለዝኾነ እዩ ። ምስ
እዚ ተታሒዙ ጀርመናውያን ሓደ ሰብ ጀርመንኛ ምዝራብ እንተኽኢሉ ጀርመናዊ ኾይኑ ኣሎ ማለት እዩ ይብሉ ።
ጀርመናውያን ከምዚ ዝበሉ ናይ ቋንቋ ኣብ ተጠቃሚኡ ዘለዎ ጽልዋ እንትገልጹ እዩ ። ኣእምሮ ወዲሰብ ብቋንቋ እዩ
ዝንቀሳቀስ ። ምስ ቋንቋ ተታሒዙ ኣብ ሕልና ወድሰብ ዝጣንዩ ኣተሓሳስባታት ኣለዉ ። እዞም ኣተሓሳስባታት ድማ ነቲ ቋንቋ
ዝጥቀም ሰብ ክጸልዉዎ ዘይቀሪ ሳዕቤን እዩ ። ቋንቋና ከም መጽናዕቲ ገለገለ ናይ ታሪኽን ናይ ስነ-ልሳንን ምሁራት ካብ
ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ጀሚሩ ኣብ ጥቅሚ ምውዓል ከም ዝጀመረን ምስቲ ንዑ ከም ኣፍ መኽፈቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ
ማሕበረሰብ ምስ ዝዎጽዎምን ዝወረድዎምን ከይዲ ዕለታዊ ናብረኦም ላዕልን ታሕትን እንዳበለ ናብዚ ናትና ወለዶ ምብጽሑ
የረድኡ ።
ፊደል ትግርኛ
ኣብ መእተዊ እዚ ጽሑፍ ፊደላት ናይ ዝዝረቡ ቃላት መግለጺ እዮም ኢልና ኔርና ። ኣብ ኣፍሪካ እቲ ብሕታዊ ፊደል
ንሕና ተጋሩ ዝፈጠርናዮ ፊደል እዩ ። እዚ ዘይምርዳእን በዚ ዘይምሕባንን ውጽኢት ኣእሙራዊ ልምሰት እዩ ። ኣብ ኣፍሪካ
ኣይኮነንዶ ብሕታዊ ፊደል ብሕታዊ ፋንድያ'ውን ክንዕቅቦ ይግባእ ።ስለዝኾነ 'ውን ቋንቋና ዓብዪ ሃፍትና ምዃኑ ንቅጽበት
ክንዝንግዕ የብልናን ።

ዝኮነስ ኮይንዋ ንሕና ኣብዚ ዘበን ዘለና ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ንዕብየት እቲ ቋንቋ እንታይ ዝገበርናዮ ኣስተዋጽኦ ኣሎ ?
ናይ ቋንቋ ማእኸሉ ሰብ እዩ ። ሰብ ማእኸሉ ዝገበረ ነገር ከዓ ሰብ የልዕሎ ሰብ የዉድቖ እዩሞ ኣነ ብዉልቀይ መጻሕፍቲ
ብምግልባጥን ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ሰባት ብምሕታትን ቋንቋ ትግርኛ ከዕብይዎ ይኽእሉ ዝበልኩዎም መንገድታት
እነሆ......ካብቶም ንቋንቋ ናብ ብራኸ ክመርሕዎ ዝኸእሉ መንገድታት ስነ-ጥበብ ኣብ ቅድሚት ይፅራሕ ፡፡

ስነ-ጥበብ
ቋንቋን ስነ-ጥበብን ሓዊን ነፋስን እዮም ። ሓደ ብቁዕ እየ ኢሉ ዝጀሃር ቋንቋ ንዓርሱ ነቲ ቋንቋ ኣወቂቡ ግርማ ከልብሶ
ዝኽእል ዉርዙይ ፥ ኣብ ዝእንገዱ ፈጠራዊን ስነ-ሞገታዉን ነባራት ይኹኑ ሓደሽቲ ዛዕባታት ብሱል ክበሃል ብዝኽእል መንገዲ
ናብ ኣእዛን መድመጻይ ሓዚሉ ከብጽሕ ዝኽእልን ረቂቕ ስነ-ጥበብ ኣብ ጓጉኡ ዝረሩ እንትኸውን እዩ ። ኮይኑ ግና ኣብ
ትግራይና ቋንቋ ትግርኛ ነቲ ጥበብ ከም ዝገልጾ ልክዕ እቲ ስነ-ጥበበኛ ነቲ ጥበቡ ዝገልጸሉ ቋንቋ ክብ ንምባል ክጽዕር
ኣይስተዉዓልን ። ጻዕሪ ስነ-ጥበበኛ ኢዱ ኣብ ዘይሓወሰሉ ዓውዲ ጥበብ ቘይምና እንታይ ዓይነት ቋንቋ እእተዝኾን እዩ ደኣ
ትግርኛሲ ንጥበብ ናይ ምግላጽ ዓቅሚ ኣለዎ ንምባል ዝደፈርና ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን እዩ ። እቲ ዘገርም ነገር ግን መልሱ
ሓጺር ምኳኑ እዩ ፤ ንሱ'ውን ኣብ ትግራይ ጥበብ ምስ ጥበበኛ ዘይኮነስ ምስ ጥበበኛታት ናብራ እዩ ሸሪኹ ዝነብር ዝብል እዩ
፤ ማለት'ውን ሓደ ሓረስታይ ንሓደ ናይ ትግርኛ መምህር ወይ ናይ ተዋስኦ መምህር ከንዕቅ ዝኽእል ዓቅምን ብልሓትን
ኣጠቃቅማ ቋንቋ ወኒኑ ክርከብ ምርኣይ ንጉሆ ንጉሆ ጸሓይ ከም ምርኣይ ልሙድ እዩ ። በዚ በለ በቲ ግን ስነ-ጥበበኛ ኢዱ
ዘይሓወሰሉ ዕቤት ቋንቋ ንምሕሳቡ ኣሸጋሪ እዩ ። ስለዝኾነ'ውን ዕቤት ቋንቋ ትግርኛ ክብ ንምባል ተበግሶ ወሲዱ ታተ ዝብል
ሰብ ስለ ቀጻሊ ዕውት ዕማማቱ ኣብ ሐዚ ኮይኑ እንትእምት ወይድማ ዓለም ለኻዊ ተቀባልነት ክጭብጥ ኣብ ዝገብሮ ዉረድ
ደይብ ብራኸ ቋንቋ ትግርኛ ንዓለም ኣጉሊሁ ብባህልን ቋንቋን ትግርኛ ተማሪኾም በዚ ዝተቃነየ ስራሕ ብውልቆም ይኹን
ብሕብረት ከሰርሑ ዝደልዩ ናይ ካሊእ ቋንቋ ተዛረብቲ ክውሕዙ ምግባር ዕማሙ ክገብር ክኽእል ኣለዎ ።

ብካሊእ መዳይ ከም ተዛራባይን ተገልጋላይን እቲ ቋንቋ ዝተፈላለዩ ሰባት ኮኑ ጉጅለታት ንዕብየት ቋንቁኦም ቡዙሓት
መማረጽታት ከጣጥሑ ይግባእ ። ዝሐሸ ናብራ ንምንዳይ ንቋንቆኦም ኣብ ሞትን ሕየትን ብምግዳፍ(እዚ ቋንቋዊ ሓቂ እዩ)
ካብ ዓዶም ወጽዮም ናብ ናይ ካሊእ ቋንቋ ዝዛረቡ ማሕበረሰብ ዝስደዱ ሰባት ኣብ ዝኸድዎ ቦታ ቋንቆኦም ንምዕባይ
ዝተፈላለዩ መንገድታት ክጥቀሙ ክኽእሉ ኣለውም ።
ንኣብነት ፡ ነቲ ሸንዲሖምዎ ዝኸዱ ቋንቋ ንምኽሓስ ኣብ ዝኸድዎ ናይ ቋንቋ ሲመፖዜማት ምድላው ፥ ብቋንቋ ትግርኛ
ዝተጽሓፉ ውጽኢት ሕትመታት ናብ መንበብቲ ዝበጽሐሉ መድረኻት ምምችቻዉ ፤ ብተወሳኺ ድማ ሓደሽቲ ውጽኢት ኪነ-
ጥበባት ናብ ዓይኒ ተመልካቲ ብተከታታልነት ዝበጽሑሉ እተነኣሰ ንዕቤት እቲ ቋንቋ ብዝብል ዉፉይ ዕላማ ጥጡሕ ባይታ
ምምችቻው ገሊኦም እዮም ።
ብሓፈሻ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተናኸፍናዮም ነጥብታትን ካልኦትን.....ነዚ እነተምብሀሉ ዉቁብ ቋንቋ ትግርኛና ህንጸት
ዝሕግዙ ኣእማን ተሸኪምና ከነብጽሕ ትግርኛ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ 'ተጋሩ' ይብለና'ሎሞ ሃየ ጻውዒቱ ሰሚዕና ብትግርኛ
ንዳመጾ ።

You might also like