Professional Documents
Culture Documents
New Text Document
New Text Document
ቋንቋ ትግርኛ
ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ልዕሊ ሽድሽተ ሽሕ ቋንቋታት እቲ ሓደ ትግርኛ እዩ ። ቋንቋ ትግርኛ ስርዓት ዘለዎን ነዓና
ንተጠቀምቱ ዘለና ባህሊ ፥ እምነት ፥ ያታን ትውፊትን ብምሉእነት ከምኡ ድማ ኩሉ ዕለታዊ ምንቅስቃሳትና ዳርጋ
ብምሉእነት ክገልጽ ዓቅሚ ኣለዎ ክንብሎ ንክእል እዩ ። ወዲ ሰብ ዘስተንትንን መንነቱ ዝቀሩጽን ብቋንቋ ገይሩ እዩ ። ሓደ
ትግራዋይ ብትግርኛን ብኻሊእ ቋንቋን ብጣዕሚ ኸም ዝሓዘነ እንትገልጽ ተመሳሳሊ ናይ ሓዘን ስምዒት ኣይኮነን ክገልጽ ዝኽእል
። ምኽንያቱ ቋንቋ ትግርኛ እቲ ንዓለም ምግንዛብ ዝጀመረሉን መንነቱን ስምዒታቱን ዝቀረጸሉ መሳርሒ ስለዝኾነ እዩ ። ምስ
እዚ ተታሒዙ ጀርመናውያን ሓደ ሰብ ጀርመንኛ ምዝራብ እንተኽኢሉ ጀርመናዊ ኾይኑ ኣሎ ማለት እዩ ይብሉ ።
ጀርመናውያን ከምዚ ዝበሉ ናይ ቋንቋ ኣብ ተጠቃሚኡ ዘለዎ ጽልዋ እንትገልጹ እዩ ። ኣእምሮ ወዲሰብ ብቋንቋ እዩ
ዝንቀሳቀስ ። ምስ ቋንቋ ተታሒዙ ኣብ ሕልና ወድሰብ ዝጣንዩ ኣተሓሳስባታት ኣለዉ ። እዞም ኣተሓሳስባታት ድማ ነቲ ቋንቋ
ዝጥቀም ሰብ ክጸልዉዎ ዘይቀሪ ሳዕቤን እዩ ። ቋንቋና ከም መጽናዕቲ ገለገለ ናይ ታሪኽን ናይ ስነ-ልሳንን ምሁራት ካብ
ቅድሚ ልደተ-ክርስቶስ ጀሚሩ ኣብ ጥቅሚ ምውዓል ከም ዝጀመረን ምስቲ ንዑ ከም ኣፍ መኽፈቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ
ማሕበረሰብ ምስ ዝዎጽዎምን ዝወረድዎምን ከይዲ ዕለታዊ ናብረኦም ላዕልን ታሕትን እንዳበለ ናብዚ ናትና ወለዶ ምብጽሑ
የረድኡ ።
ፊደል ትግርኛ
ኣብ መእተዊ እዚ ጽሑፍ ፊደላት ናይ ዝዝረቡ ቃላት መግለጺ እዮም ኢልና ኔርና ። ኣብ ኣፍሪካ እቲ ብሕታዊ ፊደል
ንሕና ተጋሩ ዝፈጠርናዮ ፊደል እዩ ። እዚ ዘይምርዳእን በዚ ዘይምሕባንን ውጽኢት ኣእሙራዊ ልምሰት እዩ ። ኣብ ኣፍሪካ
ኣይኮነንዶ ብሕታዊ ፊደል ብሕታዊ ፋንድያ'ውን ክንዕቅቦ ይግባእ ።ስለዝኾነ 'ውን ቋንቋና ዓብዪ ሃፍትና ምዃኑ ንቅጽበት
ክንዝንግዕ የብልናን ።
ዝኮነስ ኮይንዋ ንሕና ኣብዚ ዘበን ዘለና ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ ንዕብየት እቲ ቋንቋ እንታይ ዝገበርናዮ ኣስተዋጽኦ ኣሎ ?
ናይ ቋንቋ ማእኸሉ ሰብ እዩ ። ሰብ ማእኸሉ ዝገበረ ነገር ከዓ ሰብ የልዕሎ ሰብ የዉድቖ እዩሞ ኣነ ብዉልቀይ መጻሕፍቲ
ብምግልባጥን ኣብ ዙርያይ ዘለዉ ሰባት ብምሕታትን ቋንቋ ትግርኛ ከዕብይዎ ይኽእሉ ዝበልኩዎም መንገድታት
እነሆ......ካብቶም ንቋንቋ ናብ ብራኸ ክመርሕዎ ዝኸእሉ መንገድታት ስነ-ጥበብ ኣብ ቅድሚት ይፅራሕ ፡፡
ስነ-ጥበብ
ቋንቋን ስነ-ጥበብን ሓዊን ነፋስን እዮም ። ሓደ ብቁዕ እየ ኢሉ ዝጀሃር ቋንቋ ንዓርሱ ነቲ ቋንቋ ኣወቂቡ ግርማ ከልብሶ
ዝኽእል ዉርዙይ ፥ ኣብ ዝእንገዱ ፈጠራዊን ስነ-ሞገታዉን ነባራት ይኹኑ ሓደሽቲ ዛዕባታት ብሱል ክበሃል ብዝኽእል መንገዲ
ናብ ኣእዛን መድመጻይ ሓዚሉ ከብጽሕ ዝኽእልን ረቂቕ ስነ-ጥበብ ኣብ ጓጉኡ ዝረሩ እንትኸውን እዩ ። ኮይኑ ግና ኣብ
ትግራይና ቋንቋ ትግርኛ ነቲ ጥበብ ከም ዝገልጾ ልክዕ እቲ ስነ-ጥበበኛ ነቲ ጥበቡ ዝገልጸሉ ቋንቋ ክብ ንምባል ክጽዕር
ኣይስተዉዓልን ። ጻዕሪ ስነ-ጥበበኛ ኢዱ ኣብ ዘይሓወሰሉ ዓውዲ ጥበብ ቘይምና እንታይ ዓይነት ቋንቋ እእተዝኾን እዩ ደኣ
ትግርኛሲ ንጥበብ ናይ ምግላጽ ዓቅሚ ኣለዎ ንምባል ዝደፈርና ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድን እዩ ። እቲ ዘገርም ነገር ግን መልሱ
ሓጺር ምኳኑ እዩ ፤ ንሱ'ውን ኣብ ትግራይ ጥበብ ምስ ጥበበኛ ዘይኮነስ ምስ ጥበበኛታት ናብራ እዩ ሸሪኹ ዝነብር ዝብል እዩ
፤ ማለት'ውን ሓደ ሓረስታይ ንሓደ ናይ ትግርኛ መምህር ወይ ናይ ተዋስኦ መምህር ከንዕቅ ዝኽእል ዓቅምን ብልሓትን
ኣጠቃቅማ ቋንቋ ወኒኑ ክርከብ ምርኣይ ንጉሆ ንጉሆ ጸሓይ ከም ምርኣይ ልሙድ እዩ ። በዚ በለ በቲ ግን ስነ-ጥበበኛ ኢዱ
ዘይሓወሰሉ ዕቤት ቋንቋ ንምሕሳቡ ኣሸጋሪ እዩ ። ስለዝኾነ'ውን ዕቤት ቋንቋ ትግርኛ ክብ ንምባል ተበግሶ ወሲዱ ታተ ዝብል
ሰብ ስለ ቀጻሊ ዕውት ዕማማቱ ኣብ ሐዚ ኮይኑ እንትእምት ወይድማ ዓለም ለኻዊ ተቀባልነት ክጭብጥ ኣብ ዝገብሮ ዉረድ
ደይብ ብራኸ ቋንቋ ትግርኛ ንዓለም ኣጉሊሁ ብባህልን ቋንቋን ትግርኛ ተማሪኾም በዚ ዝተቃነየ ስራሕ ብውልቆም ይኹን
ብሕብረት ከሰርሑ ዝደልዩ ናይ ካሊእ ቋንቋ ተዛረብቲ ክውሕዙ ምግባር ዕማሙ ክገብር ክኽእል ኣለዎ ።
ብካሊእ መዳይ ከም ተዛራባይን ተገልጋላይን እቲ ቋንቋ ዝተፈላለዩ ሰባት ኮኑ ጉጅለታት ንዕብየት ቋንቁኦም ቡዙሓት
መማረጽታት ከጣጥሑ ይግባእ ። ዝሐሸ ናብራ ንምንዳይ ንቋንቆኦም ኣብ ሞትን ሕየትን ብምግዳፍ(እዚ ቋንቋዊ ሓቂ እዩ)
ካብ ዓዶም ወጽዮም ናብ ናይ ካሊእ ቋንቋ ዝዛረቡ ማሕበረሰብ ዝስደዱ ሰባት ኣብ ዝኸድዎ ቦታ ቋንቆኦም ንምዕባይ
ዝተፈላለዩ መንገድታት ክጥቀሙ ክኽእሉ ኣለውም ።
ንኣብነት ፡ ነቲ ሸንዲሖምዎ ዝኸዱ ቋንቋ ንምኽሓስ ኣብ ዝኸድዎ ናይ ቋንቋ ሲመፖዜማት ምድላው ፥ ብቋንቋ ትግርኛ
ዝተጽሓፉ ውጽኢት ሕትመታት ናብ መንበብቲ ዝበጽሐሉ መድረኻት ምምችቻዉ ፤ ብተወሳኺ ድማ ሓደሽቲ ውጽኢት ኪነ-
ጥበባት ናብ ዓይኒ ተመልካቲ ብተከታታልነት ዝበጽሑሉ እተነኣሰ ንዕቤት እቲ ቋንቋ ብዝብል ዉፉይ ዕላማ ጥጡሕ ባይታ
ምምችቻው ገሊኦም እዮም ።
ብሓፈሻ እቶም ኣብ ላዕሊ ዝተናኸፍናዮም ነጥብታትን ካልኦትን.....ነዚ እነተምብሀሉ ዉቁብ ቋንቋ ትግርኛና ህንጸት
ዝሕግዙ ኣእማን ተሸኪምና ከነብጽሕ ትግርኛ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ 'ተጋሩ' ይብለና'ሎሞ ሃየ ጻውዒቱ ሰሚዕና ብትግርኛ
ንዳመጾ ።