Professional Documents
Culture Documents
Environment
Environment
ዝርዝር መግለፂ
ቢሮ ሽም መደብ ስራሕ መፀውዒ ከይዲ ስራሕ
ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲን ትራንስፖርትን ስነ-ከባቢ ኪኢላ IV ዳሪክቶሬት መንገዲ ምዕባለን
ምምሕዳርን
ናይ ቀረባ ኃላፊ ስራሕ መደብ /ተፀዋዕነት ናይ ስራሕ ደረጃ ናይ ስራሕ መፍለይ /ኮድ
ትልምን ፅንዓትን መንገዲ
ቤት ዕዮ ዝርከበሉ ቦታ
ትግራይ-መቐለ
II. ናይዚ ስራሕ መደብ ዋና ዕላማ፣ ካብቲ ስራሕ መደብ ዝሕተቱ ውፅኢታት፣ ተግባራትን
2.1. ናይዚ ስራሕ መደብ ዕላማ ፡-
ቲኦኣር ሰነድ ናይ ስነ-ከባቢ ምድላው ፣ ናይቲ ዳይሪክቶሬት ሰርዓት ስነ-ከባቢ ምግምጋም ፣ ገምጋም ፅዕንቶ ስነ-ከባቢ ም
ምክያድ ን መፅናዕቲ ምክያድን፤ ናይ ስነ ከባቢ ቁፅፅር ስርዓት ምግምጋምን
ናይ ዳይሪክቶሬት ኣሰራርሓታትን ኣግባብ ኣፈፃፅመኦም ውፅኢታውነት ምግምጋም፣ ክፍተታት ብምምሕያሽ ናብ
ዳይሪክቶሬት ናይ መመሓየሺ ሓሳብ ብምቅራብ ዕላምኡ ክወቅዕ ምግባር፣መፍትሒ ፀገማት ብምቅማጥ መስተካከሊ
ስጎምቲ ንክውሰዶሎም ይገብር
2.2.ናይ ስራሕ መደቡ ውፅኢታት ተግባራትን
ውፅኢት 1፡ረቂቅ ናይ ስነ ከባቢ ቲኦኣርን ገምጋም ፅዕንቶ ስነ ከባቢ ዶክመንት ምድላውን ፣ ኣብ ስራሕ ኣግባብነትን ኣፋፃፅማን
ዝምልከት፤
መፅናዕቲ ምክያድ
ገምጋም ፅዕንቶ ስነ-ከባቢ ናይ መንገዲ ፕሮጀክታት ቅድሚ ናብ ስራሕ ቅድሚ ምእታዎም መፅናዕቲ ምክያድን
ምግምጋምን፣ በቲ መፅናዕቲ ውፅኢት መሰረት ናይ ሰነ ከባቢ ምሕዋይ መንዋል ምድላው ፣
እቲ ቢሮ/ዳይሪክቶሬት ዕላምኡ ንምስካዕ ናይ መንገዲታት ኣፃፅማ ስነከባቢ ምሕዋይ ሰነድ ብምድላው ክፀድቅ ምግባር ፣
ኣግባብነትን ዘለዎም ኣዋጃት መምርሒታት ብትክክል ኣብ ባይታ ዳህሳስ ብምክያድ ዝፍፀሙ ዘለው ምካኖም ምርግጋፅ ፣
ናይ ፕሮጀክታት ገምጋም ፅዕንቶ ሰነ ከባቢ ብዝወፅአ ኣዋጅ፤ደንቢን መምርሕን መሰረት በትክክል ተፈፃምኖቶም ንምርኣይ
ዳህሳስ መፅናዕቲ ምክያድ ፣
ውፅኢት 2.
•ገምጋም ፅዕንቶ ስነ ከባቢ ብምድላውን ብምግምጋምን ንዝምልከቶ ሓላፊ ምቅራብ
ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ብዛዕባ ስነ-ከባቢ በቢግዚኡ ዝመፅእ ለውጢ እናተሰነደ ክካየድ ኣብ ምግባር ሓላፍነቱ ይፃወቱ
III. ናይቲ ስራሕ ባህሪ መግለፅታት
ናይ ርክባት ምድግጋም
• እቲ ስራሕ ዝነኣሰ ናይ ርክብ ምድግጋምዘለዎ ብፍላይ ድማ ንክፀድቅ ኣድላይ ዘበለ ግዜ ይወስድ፡፡ /ካብ ስራሕ ግዜ እስካብ
30 % /
3.6 ሓላፍነት
3.6.1.1 ብኃላፊነት ዝመርሖም ሰራሕተኛታት ብዛት
• የብሉን
3.6.1.2 ናይ ኃላፊነት ዓይነት ደረጃን
• የብሉን
3.6.2 ኃላፊነት ንገንዘብ
• የብሉን
3.6.1 ኃላፊነት ንብረት
• ነቲ ስረሕ ዝጠቅሙ/ዘገልግሉ/ ወንበር፣ ጠረጴዛ፣ ኮምፒውተር፣ ላፕቶፕ ፣ብጠቅላላ ድምሮም እስካብ ብር
40,000.00 ዝግመቱ ንብረታት ብአግባቡ ናይ ምሓዝን ምጥቃምን ኃላፊነት ኣለዎም ፡፡
3.7 ፃዕሪ
3.7.1 ናይ አእምሮ ፃዕሪ
እቲ ስራሕ ናይ ፅልዋ ስነ ከባቢን መፅናዕትን ገምጋምን። ደረጃ መፅናዕቲ ንምክያድን ፦ስትራተጂ ዝሕግዙ ኣጠቃለሊ ሰነዳት
የዳልው፣ ከምኡ እውን ናይቲ ዳይሪክቶሬት ፕሮጀክታት መንገዲ አፈጻፅማ ፣ ኣብ አፈፃፅማ ዝርአዩ ክፍተታት ንምፍላይ፣ ናይ
መማሓየሺ ስጉምቲ ሐሳባትን ንምፍልፋል፣ ንቁፅፅር ሥርዓት መፅናዕቲ ንምክያድ፣ ናይ ርክባት ትኽክለኛነት ንምርግጋፅ ዝለዓለ
ናይ አእምሮ ፃዕርን ይሓትት ፡፡ ካብ ስራሕ ግዜ ክሳብ 8 ዐ% ይወስድ ፡፡
3.7.2 ስነልቦናዊ ጥረት
ክፍተት ንዝተረኸቦም ትካላት ፣ መምርሕን ደንብን መሰረት ገይሮም ክምኡ እውን በቲ ዝተዳለዎ ቲኦኣር መሰረት
ገምጊምካ መሰተኻኸሊ ሐሳባት ንምሃብን ንሞያው ክብሪ ንምሃብ ናይ ሥነ ልቦና ድልውነት ይሓትት ፡፡
3.7.3 ናይ ምርኣይ ፃዕሪ
እቲ ስራሕ ዝተለመደ ናይ ምርኣይ ፃዕሪ ይሓትት ፡፡ /ካብ ስራሕ ጊዜ ክሳብ 20%
3.7.4 ናይ አካል ፃዕሪ
እቲ ስራሕ ብኣብዛሓ ኣብ ፊልድ ብኣካል ብምካድ ዝካየድ ገምጋመዊ መፅንዓቲ እዩ /ካብ ስራሕ ጊዜ ክሳብ 80%/፡፡
3.8 ናይ ስራሕ ኩነታት
3.8.1. ስግኣት ሓደጋን
ናይቲ ስራሕ ገምጋም ፅዕንቶ ስነ- ከባቢን መፅናዕትን እንትግበር ምስ ልምዓት ትካለት ግጭት፣በቶም አመራርሓ ትካላት ነቲ
ማሕበረሰብ ብጥርጣረ ዓይኒ ምርኣይ ፣ናብትካላትከይኣትዉ ምክልካል ምፍርራሕን መረዳእታ ንምእካብ ፣መፅናዕቲ ንምክያድ ካብ
ቦታ ናብ ቦታ ክዛዋወሩ ከለዉ ካብ መሬት ኣቐማምጣን ፣መሰረተ ልምዓት ብዘይምስፍሕፍሑ ምክንያት ናይ መኪና ሓደጋ ፣በእግሪ
ክጓዓዝ ሙውደቅ ንዝተፈለላዩ ናይ አየር ፀባይ መጋለፅ ስግኣት ሓደጋ አለዎ፡፡
3.8.2 ናይ ከባቢ ኩነታት
3.8.2. ናይ ጥዕና ጠንቅ፣
ቢሮ ሲቨል ሰርቢስ ክ/ትግራይ ናይ ስራሕ መዘርዝር መግለፂ ቅጥዒ
ኣብ ገምጋም ፅልዋ ስነ-ከባቢ መፅናዕትን መንገዲ ስራሕቲን ወቅቲ አቦራ፣ ካብ መኪና ዝፈሱ ዝተፈላለዩ ኬሚካላትን
፣ፍሳስ ጓሓፍ ምክንያት ናይ መተንፈሲ አካላት ናይ ጥዕና ፀገማት፣ ፣ ዝተፈላለዩ ሕማም ዘጋቃልዕ ተናዳፊ ነብሳት ናይ
ዓሶ ሕማም ወሲኩ ፣ናይ ማይ ወለድ ሕማማት ዘቃልዕ ፣ ዝተኣሰሳሩ ሕማማት ንጥዕና ጨንቂ ምክንያት እዮም ፡፡