Professional Documents
Culture Documents
ፈፀምቲ ስራሕ መንግስቲ ትግራይ ንምጥያሽ ን ስልጣንን ተግባርን ንምውሳን ዝወፀ ኣዋጅ
ህዝቢ ትግራይ ብመሰረት ዓንቀፅ 39 ዝተመሓየሸ ሕገ-መንግስቲ ትግራይ ዝረኸቦ መሰል
ዓርሰ ውሳነኡ ብዝተማለአ መንገዲ ውሑስ ንምግባር፤ ምትዕርራይ ኣወዳድባ ፈፀምቲ
ስራሕ መንግስቲ ኣገዳሲ ብምዃኑ፣
ዓንቀፅ 3. ኣገላልፃ ፆታ
ኣብዚ ኣዋጅ ብተባዕታይ ፆታ ዝተደንገገ ንኣንስተይቲ ፆታ’ውን ዝገልፅ እዩ፡፡
ክፍሊ ክልተ
ስልጣንን ተግባርን ፕረዚደንት፣ ምክትል ፕረዚደንት፣ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራትን
ዓንቀፅ 4. ስልጣንን ተግባርን ፕረዚደንት
1. ስልጣንን ተግባርን ፕረዚደንት ኣብ ዝተመሓየሸ ሕገ-መንግስቲ ትግራይ ዓንቀፅ
58 ዝተቐመጠ እዩ።
2. ናይዚ ዓንቀፅ ንኡስ ዓንቀፅ (1) ድንጋገ ሕሉው ኾይኑ ፕረዚደንት ዝስዕቡ
ስልጣንን ተግባርን ይህልዎ፣
ሀ.ብመሰረት ሕጊ ኒሻናትን ሽልማታትን ይህብ፣
ለ. ብመሰረት ሕጊ ላዕለዋይ ወታደራዊ መዓርግ ይህብ፣
ሐ.ብመሰረት ሕጊ ይቅርታ ይህብ፣
መ.ኣብ ወፃኢ ዓዲ ንትግራይ ዝውክሉ ኣምባሳደራትን ካልኦት ልኡኻትን
ይሸውም፣ ናብ ትግራይ ዝመፁ ኣምባሳደራትን ፍሉያት ልኡኻትን ደብዳቤ ሽመት
ይቕበል፣
ረ. ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ኮይኑ የገልግል፣
ሰ.ሽመት ሚኒትራት ካቢኔ ሚኒስትሪታትን ሚኒስትራትን ናብ ቤት ምኽሪ
ኣቕሪቡ
የሽም፣ካብዚኦም ወፃኢ ዝኾኑ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣብያተ ዕዮ ይሸውም፣
ዓንቀፅ 5. ስልጣንን ተግባርን ምክትል ፕረዚደንት ስልጣንን ተግባርን ምክትል
ፕረዚደንት ኣብ ዝተመሓየሸ ሕገ መንግስቲ ትግራይ ዓንቀፅ 59 ዝተቐመጠ ኾይኑ
ብተወሳኺ ሓደ ካቢኔ ሚኒስትር ዝመርሕንእዩ።
ዓንቀፅ 6. ስልጣንን ተግባርን ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት
ስልጣንን ተግባርን ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት ኣብ ዝተመሓየሸ ሕገ መንግስቲ
ትግራይ ዓንቀፅ 56 ዝተቐመጠ እዩ።
ዓንቀፅ 7. ኣባላት ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት
ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት ዝስዕቡ ኣባላት ይህልውዎ፡-
1. ፕረዚደንት፣
2. ምክትል ፕረዚደንት፣
3. ኣብዚ ኣዋጅ ኣብ ዓንቀፅ 9 ዝተጠቀሱ ካቢኔ ሚኒስትሪታት ንክመርሑ ዝተሽየሙ
ሚኒስትራት፣
4. ሓላፊ ፍሉይ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት፣
5. ፕረዚደንት ብኣባልነት ንኽሳተፍ ዝመርፆ ሚኒስትር ወይ ሓላፊ፣
6. ኣብዚ ዓንቀፅ ንኡስ ዓንቀፅ 5 ዝተገለፀ እንተሃለወ ’ውን ቁፅሪ እቶም ዝውሰኹ
ኣባላት ካብ ጠቕላላ ቁፅሪ ኣባላት ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት ካብሲሶ (1/3) ክበልፅ
የብሉን፣
ዓንቀፅ 8. ስነ-ስርዓት ኣኼባ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት
1. ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት
ሀ.ስርሑ ብኣግባቡ ንምፍፃም ኣድላይ ውሽጣዊ ደንቢ ይህልዎ፣
ለ. ስሩዕን ህፁፅን ኣኼባ የካይድ፣
ሐ.ኣብ ኣኼባ ካብ ኣባላት ልዕሊ ፍርቂ እንተተረኺቦም ምልኣተ ጉባኤ ይኸውን፣
መ.ውሳነ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት ብኣብዛሓ ድምፂ ዝውሰን ይኸውን፣
ረ.ድምፂ ኣባላት ቤት ምኽሪ ማዕረ እንተኾይኑ ፕረዚደንት ዝደገፎ ሓሳብ ውሳነ ካቢኔ
ይኸውን፡፡
2. ፕረዚደንት
ሀ.ኣባላት ኣጀንዳ ክትሓዘሎም ናይ ምሕታት መሰሎም ዝተሓለወ ኮይኑ ናብቲ ቤት
ምኽሪ ብኣጀንዳ ዝቐርቡ ጉዳያት ይውስን፤
ለ. ኣኬባ ቤት ምኽሪ ይመርሕ፤
ሐ.ንቤት ምኽሪ ብኣጀንዳ ዝቐርብ ዋኒን ብዝምልከቶ ቤት ምኽሪ ምርኣይ ኣድላይ ኮይኑ
እንተዘይረኪብዎ እቲ ኣኼባን ካልእ ግዘ የመሓላልፎ።
3. ፕረዚደንት ኣብ ዘይህልወሉ ግዘ ምክትል ፕረዚደንት ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ
ይመርሕ።
ክፍሊ ሰለስተ
ምጥያሽ፣ኣወዳድባን ተፀዋዕነትን ቤት ዕዮ
ዓንቀፅ 9. ምጥያሽ ካቢኔ ሚኒስትሪታት
ዝስዕቡ ካቢኔ ሚኒስትሪታት በዚ ኣዋጅ ተጣይሾም ኣለዉ፡-
1. ካቢኔ ሚኒስትሪ ስግግር ልምዓት ቁጠባ፣
2. ካቢኔ ሚኒስትሪ መሰረተ ልምዓት፣
3. ካቢኔ ሚኒስትሪ ትልሚ፣ ልምዓት እቶትን ምሕዳርን ሃፍቲን፣
4. ካቢኔ ሚኒስትሪ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት፣
5. ካቢኔ ሚኒስትሪ ዘይምእኹል ምምሕዳርን ዲሞክራታይዜሽንን፣
6. ካቢኔ ሚኒስትሪ ትካላት መፅናዕቲ፣ ምርምርን ምህዞን፣
7. ፍሉይ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
ዓንቀፅ 10. ምጥያሽ ሚኒስትሪ
1. ሚኒስትሪ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን
2. ሚኒስትሪ ኣጠቓቕማን ምምሕዳርን መሬት
3. ሚኒስትሪ ኢንዱስትሪን ኢነርጅን
4. ሚኒስትሪ ታሪኽ ባህልን ቱሪዝምን
5. ሚኒስትሪ ኮንስትራክሽን፣ ልምዓት ከተማን ኣባይትን፣
6. ሚኒስትሪ ሃፍቲ ማይ
7. ሚኒስትሪ ፋይናንስ፣
8. ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣
9. ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና፣
10. ሚኒስትሪ ፍትሒ፣
11. ሚኒስትሪ ሲቪል ሰርቪስ፣
12. ሚኒስትሪ ርክብ ህዝብን መንግስትን፣
13. ሚኒስትሪ ሰላምን ምክልኻል ገበንን፣
14. ሚኒስትሪ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን፣
15. ሚኒስትሪ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ፣
16. ሚኒስትሪ ድሕንነት
17. ሚኒስትሪ ጉዳይ ወፃኢ
18. ሚኒስትሪ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ሕብረሰብን ማዕርነት ፆታን
ዓንቀፅ 11. ምጥያሸ ካብ ካቢኔ ሚኒስትርን ሚኒስትርን ወፃኢ ዝኾነ ቤት ዕዮ
1. ዝስዕቡ ኣብያተ ዕዮ በዚ ኣዋጅ ተጣይሾም ኣለው።
1. ኤጀንሲ ቴከኒክ፣ ሞያ፣ ትምህርትን ስልጠናን
2. ኤጀንሲ ምሕደራ መዓድን
3. ኤጀንሲ ምልማዕ ንግዲ
4. ኤጀንሲ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላትን ስራሕ ዕድል ፈጠራን
5. ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ልምዓት ዕዳጋን
6. ኮሚሽን ኢንቨስትመንትን ሰደድን
7. ኢንስትቲዩት መፅናዕትን ምርምርን ሕርሻ
8. በዓል መዚ ሓለዋ ከባብን ለውጢ ነባሪ ኣየርን
9. ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ምህርትን ብርኪ ምደባን
10. በዓል መዚ ቁፅፅርን ምሕደራን መጓዓዝን
11. በዓል መዚ ክትትልን ቁፅፅርን መንግስታዊ ልምዓት ትካላት
12. ኮሚሽን ዕደጋን ምሕዳራ ንብረትን
13. በዓል መዚ እቶት
14. ኮሚሽን ትልሚን ኣጀንዳ 2037ን
15. ኤጀንሲ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት
16. ኤጀንሲ ስታስቲክስ
17. ኮሚሽን ሓደጋ ድልውነትን ቅድመ መጠንቐቅታን
18. ኮሚሽን ስፖርት
19. ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና
20. ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ
21. ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬትትምህርቲ
22. በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣ መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን
23. ኤጀንሲ መድሕን ጥዕና
24. ኤጀንሲ ኣቕርቦት መድሓኒት
25. ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ስልጠናን ፍትሕን ሕግን አግአዚ
26. በዓል መዚ ብሮድካስት
27. ቤት ፅሕፈት ምትእንጋድ ጥርዓን ሕብረተሰብ
28. ማዕኸል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ
29. ኢንስትቲዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ
30. ኣካዳሚ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ
31. ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ
32. ኤጀንሲ ምዘናን ምርግጋፅ ብቕዓትን
2. ኣብዚ ኣዋጅ ካብ ዝተጠቐሱ ኣብያተ ዕዮ ወፃኢ ኮይኑ ብናይ ባዕሉ መጣየሺ ኣዋጅ
ዝተጣየሸን ኣብ ስራሕ ዝርከብን ቤት ዕዮ በቲ ዝተጣየሸሉ ኣዋጅ ይቕፅል።
3. ብናይ ባዕሉ ኣዋጅ ተጣይሹ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ስልጣኑን ተግባሩን ኣብዚ ኣዋጅ
ዝተጠቐሰ ቤት ዕዮ ካብ ስልጣንን ተግባርን ወፃኢ ዘሎ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን እቲ ቤት
ዕዮ ብመጣየሺ ኣዋጁ መሰረት ይቕፅል።
ዓንቀፅ 44. ስልጣንን ተግባርን ኤጀንሲ ምስፍሕፋሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ልምዓት
ዕዳጋን
1. ዕላማ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ብፍላይ ኣብ መናእሰይን
ደቂ ኣንስትዮን ንክሰርፅን ተግባራዊ ኽኸውንን ዝሕግዝ ስትራተጂ የዳሉ፣
2. ድልየት ኣባላት መሰረት ዝገበረን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ኣባላት ንምፍታሕ
ብመሰረታዊ ዩኔንን ፌደሬሽንን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ንኽውደቡ ይሰርሕ፣ ሕ ብረት
ስራ ሕ ማ ሕበ ር ይም ዝግ ብ ፣ ፍቓ ድ ወ ረቐ ት ይህ ብ፣ ይስ ር ዝ፣ ኣድላይ ድጋፍ ይገብር፣
3. ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ንፍርያቶም ዝሓሸ ዋጋ ዝረኸብሉ ኩነታት የመቻቹ፣
4. ምህርቲ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ንምስሳን ዝሕግዙ ውፅኢት ዘመናዊ ኢንዱስትሪን
ቴክኖሎጂን ዝኾኑ እታወታት ንምጥቃም ዘኽእሎም ልቓሕ ዝረኽብሉ ምችው ባይታ
ይፈጥር፣
5. ኣግባብ ምስ ዘለዎም ኣካላት ብምትሕብባር ሓረስታይ ግልጋሎት ልቓሕ ዝረኽበሉ
ኩነታት የመቻቹ፣
6. ዝተኣታተዉ ፓኬጃት ሕርሻ ንምትግባር ዘድልዩ እታወታትን ልቓሓትን ሕርሻ
ብዝድለ ፅሬት፣ ዓቐንን ሰለጤንን ንሓረስታይ የቕርብ፣ ፍርያት ሕርሻ ዕዳጋ ውሽጢን
ወፃኢን ዓዲ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኩነታት የመቻቹ፣ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
7. ሕብረት ስራሕ ማሕበራት እዋናውን ኣገዳስን መረዳእታ ዕደጋ ክረክቡን ኣብ ናፃ
ዕደጋ ተወዳደርቲ ዝኾንሉን ኣብ ምዕባለ ቁጠባ ትግራይ ግቡእ ኣበርክቶ ዝገብርሉን
ባይታ የመቻቹ፣
8. ምስዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ብዛዕባ ንብረት፣ ገንዘብን ሒሳብን እቶም
ዩኔናትን ፌዴረሽናትን ምርመራ ክካየድን ንዝተርኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ኣድላይ
መፍትሒ ስጉምቲ ንኽወስዱ ኣድላይ ደገፍ ይገብር፣
9. ኣብ መንጎ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ርክብ ዕዳጋ ክህሉን ቁጠባዊ ዓቕሞም ከዕቢ
ዘኽእል ቴክኒካዊ ድጋፍ ይገብር፣
10. ንምዕባለ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዝሕግዙ ፕሮጀክትታት ብምቕራፅ ንመንግስትን
ገበርቲ ሰናይ ትካላትን የቕርብ፣ ምስተፈቀደ ኣብ ተግባር የውዕል፣ ክውዕል ይገብር፣
11. ዩኔናትን ፌዴረሽናትን ኣብ ዝውሃሃድሉ ወይ ዝከፋፈልሉ ወይ ዝፈርስሉ እዋን
ኣገባብ ኣፈፃፅምኡ ብመሰረት ሕጊ ንክፍፀም ኣድላይ ክትትልን ሓገዝን ይገብር፣
12. ኣብ መንጎ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት፣ ዩኔናትን ፌዴረሽናትን ዝፍጠሩ ጎንፅታት
ብሽምግልና ዳይነት ንኽፍትሑ ይገብር፣ ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
13. ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ፍርያት ኣባላተን ንኽውስኽ ኣብ ስራሕቲ ኣግሮ
ፕሮሰሲንግ ዝዋስኣሉ ባይታ የመቻቹን ኣድላይ ድጋፍ ይገብርን፣
14. ንግልጋሎት ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ሰነዳትን መዛግብቲ
ሒሳብን ንኽዳለዉ ይገብር፣
ዓንቀፅ 59. ስልጣንን ተግባርን በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣ መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን
1. ድሕንነት፣ ፅሬትን ፈዋስነትን ምግብን መድሓኒትን ከምኡውን ኣገባብ ኣጠቃቕማ
መሳርሒ ሕክምና፣ ፅሬትን ውፅኢታውነትን በዚ ኣዋጅ መሰረት ቁፅፅር ዝግበረሉ ካልእ
ምህርቲ ደረጃ ንክወፀሉ ሓሳብ ይህብ፣ ብርኪ ደረጃ እንትፀድቁ የፈፅም፣ ኣግባብነት
ዘለዎም ናይ ካልኦት ዓድታት መፅሓፍ መድሓኒት ወይ ናይ መምርመርቲ ሜላ
ምርመራ ይቅበል፣
2. መድሓኒት፣ መሳርሒ ሕክምናን ምግብን ካልእ በዚ ኣዋጅ ወይ ነዚ ኣዋጅ ንምፍፃም
ብዝወፅእ ደንብን መመርሕን መሰረት ክምዝገብ ዝግበኦ ምህርቲ ብዝምልከት ተፈፃሚ
መዐቀንታት መሰረት ብምግባር ገምጊሙ ይምዝግብ፣ ፍቃድ ዕዳጋ ይህብ፣ የሕድስ፣
ይእግድ፣ ይስርዝ፣ ወይ ካልእ ሕጋዊ ስጉምቲ ይወስድ፣
3. ቁፅፅር ዝግበረሉ ምህርቲ ክማልኡ ዝግበኦም ዘይተማልኡ እንትተርፉ ከከም
ኣድላይነቱ ነቲ ምህርቲ ክሕዝ፣ ክውገድ ክገብር፣ ካብ ዕዳጋ ክእከቡ፣ ብሕጊ ኣግባብ
ክውረሱ ወይ ብካልእ ኣግባብ ስጉምቲ ክውሰደሎም ይገብር፣
4. ብፈፃሚ ኣካል ኣፍልጦ ናብ ዕዳጋ ክኣቱ ዝተገበረ ብችርቻሮ፣ ወይ ፈፃሚ ብቕዓት
መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ብዘይሃቦ ብካልእ ትካል ትሕዝቶ ብዘይቁፅፅር ዝኣተወ
ምህርቲ ዝምልከት ክፍለ፣ ክምርመር፣ ሳምፕል ክውሰድ፣ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ እቲ
ምህርቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል
5. ቁፅፅር ዝግበረሉ ምህርቲ ብምክላሱ ወይ ብካልእ ሕጋዊ ብዘይኮነ ምኽንያት ሞት፣
ሕማም፣ ጉድኣት ኣካል፣ ወይ ስእነት ጥዕና፣ ወይ ካልኦት ፀገማት ጥዕና ዘስዓበ ምህርቲ
ወይ ትሕዝቶ ይፈሊ፣ ብሳፕል መሰረት መፅናዕቲ የካይድ፣ ውፅኢቱ መሰረት ብምግባር
ኣድላይ ስጉምቲ ይወስድ፣
6. ቁፅፅር ዝግበረሉ ምህርቲ ጥረ ኣቅሑትን መዐሸጊ ኣቅሑትን ናብ ዓዲ ውሽጢ ናይ
መእተዊ ፍቃድ ይህብ፣ ከምኡውን ሕቶ እንትቅርበሉ ናብ ወፃኢ ዓዲ ዝልኣክ ብቅዓት
መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ይህብ፤
7. መሰረታዊ ዝርዝር መድሓኒት የዳልው፣ ከከም ኣድላይነቱ ይኽልስ፣ ዝተመዝገበ
ምግብን መድሓኒትን ዝርዝር ንህዝቢ የፍልጥ፣ ቀመር መድሓኒት የውፅእ፣ መድሓኒት
ብዝተፈላለዩ ብርክታት ይከፋፍል፣ ነቲ ምድብ ከከም ኣድላይቱ ይኽልስ፣
8. ድሕንነት ምግቢ፣ ፅሬት መድሓኒት፣ ድሕንነትን ፈዋስነትን መሳርሕታት ሕክምና
ፅሬት ውፅኢታውነትን ንምቁፅፃርን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ምህርቲ ድሕረ ዳህሳስ ዕዳጋ
ክግበር ክእዝዝ ወይ ከካይድ ይክእል፣ ኣብ ድሕረ ዕዳጋ ዳህሳስ ብውፅኢት መሰረት
ኣድላይ ስጉምቲ ይወስድ፣
9. ዓለም ለካዊ ደረጃ ክኽተል ዝግበኦ ምህርቲ መድሓኒት ደሕንነት መድሓኒት፣ ክትትል፣
ነባርን ሓደሽን ጎዳእቲ ተፃብኦታትን መረዳእታ ይከታተል፣ ኣግባብነት ዘለዎ ስጉምቲ
ይወስድ፣
10. ሕቶታት ፈተነ ሕክምና እናመርመረ ይፈቅድ፣ እቲ ፈተነ ብፅቡቅ ስርዓት ሕክምና
ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣ ውፅኢቱ ብምግምጋም ንሕብረተሰብ ጥቅሚ
ብዝህልዎ መልክዑ ኣብ ስራሕ ክውዕል ይፈቅድ፣ ኣድላይ እንተኮይኑ እቲ ፈተነ
ሕክምና ክእገድ ወይ ጠጠው ክብል ትእዛዝ ይህብ፣
11. መድሓኒትን መሳርሒ ሕክምናን ኣግባብ ኣጠቓቕማ ይቆፃፀር
12. ኖርስቲክ መድሓኒት፣ ሳይኮትራፒክ መድሓኒት፣ ፕሪከርሰን ኬሚካል ምህርቲ
ምፍራይ፣ ናብ ሃገር ውሽጢ ምእታው፣ ናብ ወፃኢ ዓዲ ምልኣኽ፣ ምክፍፋል፣ ዕደላ፣
ኣጠቃቕማ፣ መረዳእታ ኣተሓሕዛ ኣለኣእካ ፀብፃብን ኣብ ኣወጋግዳ ቁፅፅር ይገብር፣
ብዘይ ኣግባብ ኣብ ስራሕ ከይውዕል ይከላኸል
13. ኣብ ልዕሊ ትምባኾ ቁፅፅር የውፅእ፣ ትካል ጥዕና ዓለም ቁፅፅር ትምባኾ ማዕቀፍ
ኮንቨንሽን መሰረት መፈፀሚ መምርሒ የውፅእ፣ ኣፈፃፅኡ ይከታተል፣
14. ኣብ ምህርቲ ትምባኾ ትሕዝቶ ተተሓዝቲ መረዳእቲ ግልፂ ብምግባር ኣሰራርሕኡ፣
ኣተዓሻሽግኡ ግልፂ ፅሑፍ ናብ ውሽጢ ዓዲ ምእታው፣ ብጅምላ ምሻጥ ምክፍፋል፣
ምፍላጥን ስፖንሰርሽፕ ተተሓሒዙ ምህርቲ ትምባኾ ብትካል ዓለምለኸ ጥዕና
ኮንቨክሽንን ብናይቲ ኮንቨንሽን መፈፀሚ መምርሒ ይቆፃፀር፣
15. ኣገልግሎት ዘመኑ ዝሓለፎን ምግብን መድሓኒትን ክውገድ ይገብር፣
16. ኣብ ዝህቦ ግልጋሎት ክፍሊት ግልጋሎት ይእክብ፣ ዝኣከቦ ክፍሊት ኣግባብነት ብዘለዎ
ሕጊ መሰረት እንትፍቀድ ንጥዕና ቁፅፅር ዕላማ የውዕል፣
17. ናይ ግሊ ይኩን መንግስታዊ ትካላት ጥዕና ፍቃድ ይህብ፣ ይቆፃፀር፣ ይዕሽግ፣ ፍቃድ
ይስርዝ፣
እዚ ኣዋጅ ብቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ካብ ዝፀድቐሉ ---- /----/ ዓ/ም ጀሚሩ ዝፀንዐ
ይኸውን፡፡
ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር)
ፕረዚዳንት
መንግስቲ ትግራይ
መቐለ