You are on page 1of 73

ቑፅሪ ኣዋጅ-----/2014

ፈፀምቲ ስራሕ መንግስቲ ትግራይ ንምጥያሽ ን ስልጣንን ተግባርን ንምውሳን ዝወፀ ኣዋጅ
ህዝቢ ትግራይ ብመሰረት ዓንቀፅ 39 ዝተመሓየሸ ሕገ-መንግስቲ ትግራይ ዝረኸቦ መሰል
ዓርሰ ውሳነኡ ብዝተማለአ መንገዲ ውሑስ ንምግባር፤ ምትዕርራይ ኣወዳድባ ፈፀምቲ
ስራሕ መንግስቲ ኣገዳሲ ብምዃኑ፣

ስሉጥ ልምዓት ንምርግጋፅ፣ ስሉጥን ፍትሓውን ግልግሎት ንምሃብን ሰናይ ምምሕዳር


ንምስፋንን ዘኽእል ኣወዳድባ ፈፀምቲ ስራሕ መንግስቲ ስራሕን ሓላፍነቶምን
ውፂኢታዊ ብዝኾነ ኣገባብ ንምፍፃም ምጥያሽ፣ ምውዳብን ስልጣንን ተግባርን ብሕጊ
ምውሳን ኣድላይ ብምዃኑ፣

ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ብመሰረት ዝተመሓየሸ ሕገ-መንግስቲ ትግራይ ዓንቀፅ


49(3) (ሀ) እዚ ኣዋጅ ኣውፂኡ ኣሎ፡፡
ክፍሊሓደ
ሓፈሻዊ ድንጋገታት
ዓንቀፅ 1. ሓፂር ርእሲ
እዚ ኣዋጅ” ስልጣንን ተግባርን ፈፀምቲ ስራሕ መን ግ ስቲ ትግራይ ንምውሳን ዝወፀ ኣዋጅ ቁፅሪ---

--/2014 ዓ/ም″ ተባሂሉ ክጥቀስ ይኽእል፡፡


ዓንቀፅ 2. ትርጉም

1. ‹‹ቤት ምኽሪ’’ማለት ቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ እዩ፣


2. ‹‹ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት’’ማለት ብመሰረት እዚ ኣዋጅ ዓንቀፅ 9 ዝተጣየሸ ቤት
ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት መንግስቲ ትግራይ እዩ፣
3. “ቤት ዕዮ”ማለት ካቢኔ ሚኒስትሪ፣ ሚኒስትሪ፣ ኤጀንሲ፣ ኮሚሽን፣
4. ኢኒስቲትዩት፣ ኣካዳሚ፣ቤት ፅሕፈት፣ ፍሉይ ቤት ፅሕፈት፣ ማእኸል፣ኮሌጅ፣በዓል
መዚ ዝሓውስ ኾይኑ ኣብ ዝኾነ ብርኪ ምምሕዳር ዓርሱ ኪኢሉ ብኣዋጅ ዝተጣየሸን
ካብ መንግስቲ ብዝምደበሉ በጀት ዝመሓደር መንግስታዊ ትካል እዩ።
5. “ካቢኔ ሚኒስትሪ” ማለት ሰለስተን ልዕሊኡን ተመጋገብቲ ኣብያተዕዮ መንግስቲ
ዝመርሕን ዘተሓባብርን ኣባል ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት ዝኾነ ቤት ዕዮ እዩ።
6. ″ሚኒስትሪ’’ ማለት ተመጋጋቢ ስራሕቲ ንክሰርሕ ዝተጣየሸ ቤት ዕዮ እዩ።
7. “ሚኒስትር” ማለት ሚኒስትሪ ንክመርሕ ብመቅረባይነት ፕረዚደንት ብቤትምኽሪ
ዝሽየም ሰብ እዩ፣
8. “በዓል መዚ” ማለት ብመንግስቲ ዝተውሃቦ ልኡኽ ንምዕዋት ሙሉእ ስልጣን ተዋሂቡ
ኣሰራርሓታት ኣብ ምኽባር፣ ኣብ ምፍፃም፣ ኣብ ምውሳን፣ኣብ ምቁፅፃርን ምቅፃዕን
ዝሰርሕ ቤት ዕዮ እዩ፡፡
9. “ኤጀንሲ” ማለት ፍሉይ ስራሕ ኣብ ውሱን ግልጋሎት ወይ ሞያ ኣድሂቡ ኣብ ክንዲ
ሓደን ልዕሊኡን ራእይን ልኡክቶን ኣብያተ ዕዮ ንምዕዋት ኮይኑ ዝሰርሕ ትካል ማለት
እዩ።
10. “ቋንቋታት ትግራይ” ማለት ትግርኛ፣ ግዕዝ፣ ሳሆን ኩናምኛን እዮም፣
11. “ኮሚሽን” ማለት ኣብ ዝተፈፀሙ ስራሕቲ ምርመራ፣ ክትትልን ቁፅፅርን ዝሰርሕ ወይ
ሓደ ፍሉይ ትኹረት ዘድልዮ ጉዳይ ንዝተወሰነ ወይ ንዘይተወሰነ እዋን ንምፍፃም
ብመንግስቲ ፍሉይ ስልጣን ተዋሂብዎ ዝጣየሽ ቤት ዕዮ እዩ።
12. “ቤት ፅሕፈት” ማለት ቤት ዕዮ ብሞያን ምድጋፍን ግልጋሎትን ምሃብን ዝጣየሽ
ትካል እዩ።
13. “ኣካዳሚ” ማለት ክፍተት ኣተሓሳስባን ሞያንን ምምላእ ኣብ ትምህርቲ፣ ስልጠናን
ግልጋሎት ምኽርን ከምኡውን ተዛመድቲ ዝኾኑ ጉዳያትን ምፅናዕ ዝጣየሽ ትካል እዩ።
14. “ኢንስቲትዩት” ማለት ንሓደን ልዕሊኡን ራእይን ልኡክ ኣብያተ ዕዮ ንምፍፃም ኣብ
መፅናዕቲ፣ ምርምርን ሞያዊ ምኽርን መሰረት ገይሩ ክሰርሕ ዝጣየሽ ትካል እዩ፡፡

15. ‹‹ሚኒስትር ካቢኔ ሚኒስትሪ’’ ማለት ካቢኔ ሚኒስትሪ ንክመርሕ ብመቕረባይነት


ፕረዚደንት ብቤት ምኽሪ ዝሽየም ሰብ እዩ፣
16. ‹‹ሓላፊ’’ ማለት ኤጀንሲ፣ ኮምሽን፣ በዓል መዚ፣ ኣካዳሚ፣ ማእኸል፣ ቤት ፅሕፈት፣
ኢንስቲትዩት፣ ንክመርሕ ብፕረዚደንት ዝሽየም ሰብ እዩ፣
17. “ዳይሬክቶሬት’’ ማለት ሓደ ዓይነት ሽቶ ዘለዎም ዝተተሓሓዙ ስራሕቲ ኣብ ሓደ ቦታ
ተጀሚሮም ኣብኡ ዝፍፀሙ ተመሳሰልቲ ተግባራት ኣብ ሓደ ጠሚሩ ዝሓዘ ከይዲ
ስራሕ እዩ፣
18. “ዳይሬክተር’’ ማለት ንከይዲ ስራሕ ብሓላፍነት ክመርሕን ከተሓባብርን ብሜሪት
ዝምደብ ተፈጥሮኣዊ ሰብ እዩ፡፡
19. "ግብሪ″ ማለት ብመሰረት ሕጊ ግብሪ ዝውሰን ግብሪ እንትኸውን ቅድሚ ሕዚ ይኹን
ድሕሪ ሕዚ ኣብ ዝኾነ ሕጊ “ታክስ” ዝብል “ግብሪ” ዝብል ትርጉም ብመሓዝ ዝስዕቡ
ይሓውስ
ሀ. ብከፋሊ ተቐኒሱ ዝተርፍ ግብሪ፣
ለ. ብመሰረት ኣዋጅ ኣታዊ ግብሪ ኣቐዲሙ ዝኽፈል ወይ በብግዚኡ ዝኽፈል ግብሪ፣
ሐ. ቅፅዓት፣
መ. ክፍሊት ብምዝንግዑ ምኽንያት ዝኽፈል ወለድ፣
ረ. ብመሰረት ኣዋጅ ኣታዊ ግብሪ ዝኽፈል ካሊእ ዝኾነ ዓይነት ግብሪ፣
ሰ. ተወሳኺ እሴት ግብሪ፣
ሸ. ግምሩክ ቀረፅን ኤክሳይስ ግብርን፣

ዓንቀፅ 3. ኣገላልፃ ፆታ
ኣብዚ ኣዋጅ ብተባዕታይ ፆታ ዝተደንገገ ንኣንስተይቲ ፆታ’ውን ዝገልፅ እዩ፡፡
ክፍሊ ክልተ
ስልጣንን ተግባርን ፕረዚደንት፣ ምክትል ፕረዚደንት፣ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራትን
ዓንቀፅ 4. ስልጣንን ተግባርን ፕረዚደንት
1. ስልጣንን ተግባርን ፕረዚደንት ኣብ ዝተመሓየሸ ሕገ-መንግስቲ ትግራይ ዓንቀፅ
58 ዝተቐመጠ እዩ።
2. ናይዚ ዓንቀፅ ንኡስ ዓንቀፅ (1) ድንጋገ ሕሉው ኾይኑ ፕረዚደንት ዝስዕቡ
ስልጣንን ተግባርን ይህልዎ፣
ሀ.ብመሰረት ሕጊ ኒሻናትን ሽልማታትን ይህብ፣
ለ. ብመሰረት ሕጊ ላዕለዋይ ወታደራዊ መዓርግ ይህብ፣
ሐ.ብመሰረት ሕጊ ይቅርታ ይህብ፣
መ.ኣብ ወፃኢ ዓዲ ንትግራይ ዝውክሉ ኣምባሳደራትን ካልኦት ልኡኻትን
ይሸውም፣ ናብ ትግራይ ዝመፁ ኣምባሳደራትን ፍሉያት ልኡኻትን ደብዳቤ ሽመት
ይቕበል፣
ረ. ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ኮይኑ የገልግል፣
ሰ.ሽመት ሚኒትራት ካቢኔ ሚኒስትሪታትን ሚኒስትራትን ናብ ቤት ምኽሪ
ኣቕሪቡ
የሽም፣ካብዚኦም ወፃኢ ዝኾኑ ላዕለዎት ሰብ መዚ ኣብያተ ዕዮ ይሸውም፣
ዓንቀፅ 5. ስልጣንን ተግባርን ምክትል ፕረዚደንት ስልጣንን ተግባርን ምክትል
ፕረዚደንት ኣብ ዝተመሓየሸ ሕገ መንግስቲ ትግራይ ዓንቀፅ 59 ዝተቐመጠ ኾይኑ
ብተወሳኺ ሓደ ካቢኔ ሚኒስትር ዝመርሕንእዩ።
ዓንቀፅ 6. ስልጣንን ተግባርን ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት
ስልጣንን ተግባርን ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት ኣብ ዝተመሓየሸ ሕገ መንግስቲ
ትግራይ ዓንቀፅ 56 ዝተቐመጠ እዩ።
ዓንቀፅ 7. ኣባላት ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት
ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት ዝስዕቡ ኣባላት ይህልውዎ፡-
1. ፕረዚደንት፣
2. ምክትል ፕረዚደንት፣
3. ኣብዚ ኣዋጅ ኣብ ዓንቀፅ 9 ዝተጠቀሱ ካቢኔ ሚኒስትሪታት ንክመርሑ ዝተሽየሙ
ሚኒስትራት፣
4. ሓላፊ ፍሉይ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚደንት፣
5. ፕረዚደንት ብኣባልነት ንኽሳተፍ ዝመርፆ ሚኒስትር ወይ ሓላፊ፣
6. ኣብዚ ዓንቀፅ ንኡስ ዓንቀፅ 5 ዝተገለፀ እንተሃለወ ’ውን ቁፅሪ እቶም ዝውሰኹ
ኣባላት ካብ ጠቕላላ ቁፅሪ ኣባላት ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት ካብሲሶ (1/3) ክበልፅ
የብሉን፣
ዓንቀፅ 8. ስነ-ስርዓት ኣኼባ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት
1. ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት
ሀ.ስርሑ ብኣግባቡ ንምፍፃም ኣድላይ ውሽጣዊ ደንቢ ይህልዎ፣
ለ. ስሩዕን ህፁፅን ኣኼባ የካይድ፣
ሐ.ኣብ ኣኼባ ካብ ኣባላት ልዕሊ ፍርቂ እንተተረኺቦም ምልኣተ ጉባኤ ይኸውን፣
መ.ውሳነ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት ብኣብዛሓ ድምፂ ዝውሰን ይኸውን፣
ረ.ድምፂ ኣባላት ቤት ምኽሪ ማዕረ እንተኾይኑ ፕረዚደንት ዝደገፎ ሓሳብ ውሳነ ካቢኔ
ይኸውን፡፡
2. ፕረዚደንት
ሀ.ኣባላት ኣጀንዳ ክትሓዘሎም ናይ ምሕታት መሰሎም ዝተሓለወ ኮይኑ ናብቲ ቤት
ምኽሪ ብኣጀንዳ ዝቐርቡ ጉዳያት ይውስን፤
ለ. ኣኬባ ቤት ምኽሪ ይመርሕ፤
ሐ.ንቤት ምኽሪ ብኣጀንዳ ዝቐርብ ዋኒን ብዝምልከቶ ቤት ምኽሪ ምርኣይ ኣድላይ ኮይኑ
እንተዘይረኪብዎ እቲ ኣኼባን ካልእ ግዘ የመሓላልፎ።
3. ፕረዚደንት ኣብ ዘይህልወሉ ግዘ ምክትል ፕረዚደንት ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ
ይመርሕ።
ክፍሊ ሰለስተ
ምጥያሽ፣ኣወዳድባን ተፀዋዕነትን ቤት ዕዮ
ዓንቀፅ 9. ምጥያሽ ካቢኔ ሚኒስትሪታት
ዝስዕቡ ካቢኔ ሚኒስትሪታት በዚ ኣዋጅ ተጣይሾም ኣለዉ፡-
1. ካቢኔ ሚኒስትሪ ስግግር ልምዓት ቁጠባ፣
2. ካቢኔ ሚኒስትሪ መሰረተ ልምዓት፣
3. ካቢኔ ሚኒስትሪ ትልሚ፣ ልምዓት እቶትን ምሕዳርን ሃፍቲን፣
4. ካቢኔ ሚኒስትሪ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት፣
5. ካቢኔ ሚኒስትሪ ዘይምእኹል ምምሕዳርን ዲሞክራታይዜሽንን፣
6. ካቢኔ ሚኒስትሪ ትካላት መፅናዕቲ፣ ምርምርን ምህዞን፣
7. ፍሉይ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
ዓንቀፅ 10. ምጥያሽ ሚኒስትሪ
1. ሚኒስትሪ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን
2. ሚኒስትሪ ኣጠቓቕማን ምምሕዳርን መሬት
3. ሚኒስትሪ ኢንዱስትሪን ኢነርጅን
4. ሚኒስትሪ ታሪኽ ባህልን ቱሪዝምን
5. ሚኒስትሪ ኮንስትራክሽን፣ ልምዓት ከተማን ኣባይትን፣
6. ሚኒስትሪ ሃፍቲ ማይ
7. ሚኒስትሪ ፋይናንስ፣
8. ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣
9. ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና፣
10. ሚኒስትሪ ፍትሒ፣
11. ሚኒስትሪ ሲቪል ሰርቪስ፣
12. ሚኒስትሪ ርክብ ህዝብን መንግስትን፣
13. ሚኒስትሪ ሰላምን ምክልኻል ገበንን፣
14. ሚኒስትሪ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን፣
15. ሚኒስትሪ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ፣
16. ሚኒስትሪ ድሕንነት
17. ሚኒስትሪ ጉዳይ ወፃኢ
18. ሚኒስትሪ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ሕብረሰብን ማዕርነት ፆታን
ዓንቀፅ 11. ምጥያሸ ካብ ካቢኔ ሚኒስትርን ሚኒስትርን ወፃኢ ዝኾነ ቤት ዕዮ
1. ዝስዕቡ ኣብያተ ዕዮ በዚ ኣዋጅ ተጣይሾም ኣለው።
1. ኤጀንሲ ቴከኒክ፣ ሞያ፣ ትምህርትን ስልጠናን
2. ኤጀንሲ ምሕደራ መዓድን
3. ኤጀንሲ ምልማዕ ንግዲ
4. ኤጀንሲ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላትን ስራሕ ዕድል ፈጠራን
5. ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ልምዓት ዕዳጋን
6. ኮሚሽን ኢንቨስትመንትን ሰደድን
7. ኢንስትቲዩት መፅናዕትን ምርምርን ሕርሻ
8. በዓል መዚ ሓለዋ ከባብን ለውጢ ነባሪ ኣየርን
9. ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ምህርትን ብርኪ ምደባን
10. በዓል መዚ ቁፅፅርን ምሕደራን መጓዓዝን
11. በዓል መዚ ክትትልን ቁፅፅርን መንግስታዊ ልምዓት ትካላት
12. ኮሚሽን ዕደጋን ምሕዳራ ንብረትን
13. በዓል መዚ እቶት
14. ኮሚሽን ትልሚን ኣጀንዳ 2037ን
15. ኤጀንሲ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት
16. ኤጀንሲ ስታስቲክስ
17. ኮሚሽን ሓደጋ ድልውነትን ቅድመ መጠንቐቅታን
18. ኮሚሽን ስፖርት
19. ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና
20. ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ
21. ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬትትምህርቲ
22. በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣ መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን
23. ኤጀንሲ መድሕን ጥዕና
24. ኤጀንሲ ኣቕርቦት መድሓኒት
25. ኢንስቲትዩት መፅናዕትን ምርምርን ስልጠናን ፍትሕን ሕግን አግአዚ
26. በዓል መዚ ብሮድካስት
27. ቤት ፅሕፈት ምትእንጋድ ጥርዓን ሕብረተሰብ
28. ማዕኸል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ
29. ኢንስትቲዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ
30. ኣካዳሚ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ
31. ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ
32. ኤጀንሲ ምዘናን ምርግጋፅ ብቕዓትን

2. ኣብዚ ኣዋጅ ካብ ዝተጠቐሱ ኣብያተ ዕዮ ወፃኢ ኮይኑ ብናይ ባዕሉ መጣየሺ ኣዋጅ
ዝተጣየሸን ኣብ ስራሕ ዝርከብን ቤት ዕዮ በቲ ዝተጣየሸሉ ኣዋጅ ይቕፅል።

3. ብናይ ባዕሉ ኣዋጅ ተጣይሹ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ስልጣኑን ተግባሩን ኣብዚ ኣዋጅ
ዝተጠቐሰ ቤት ዕዮ ካብ ስልጣንን ተግባርን ወፃኢ ዘሎ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን እቲ ቤት
ዕዮ ብመጣየሺ ኣዋጁ መሰረት ይቕፅል።

4. ደንጋገ ንኡስ ዓንቀፅ 2 እዚ ዓንቀፅ ሕሉው ኮይኑ ማእኸል ምርምርን ስልጠናን


ፍትሕን ሕግን ኣግኣዚ ዝነበረ ናብ ኢንስቲትዩት ምርምርን ስልጠናን ፍትሕን ሕግን
ኣግኣዚ ተቐይሩ ኣሎ ፡፡
ዓንቀፅ 12. ኣወዳድባ ቤት ዕዮ
1. ኣወዳድባ ካቢኔ ሚኒስትሪ ፣
ሕድ ሕድ ካቢኔ ሚኒስትሪ ዝስዕብ ኣወዳድባ ይህልዎ፣
ሀ. ሚኒስትር ካቢኔ ሚኒስትሪ
ለ. ብፕረዚደንት ዝሽየም ሚኒስትር ዴኤታ ካቢኔ ሚኒስትሪ፣
ሐ. ኣድላይ ዳይሬክቶሬት፣
መ. ንስራሕ ዘድሊ ሰራሕተኛ
2. ኣወዳድባ ሚኒስትሪ
ሕድ ሕድ ሚኒስትሪ ዝስዕብ ኣወዳድባ ይህልዎ፣
ሀ. ሚኒስትር፣
ለ. ብፕረዚደንትዝሽየም ሚኒስትር ዴኤታ፣
ሐ. ኣድላይ ዳይሬክቶሬት፣
መ. ንስራሕ ዘድሊ ሰራሕተኛ
3. ኣወዳድባ ካብ ካቢኔ ሚኒስትሪን ሚኒስትሪን ወፃኢዝኾነ ቤት ዕዮ፡-
ሀ. ብፕረዚደንትዝሽየም ሓላፍን ምክትል ሓላፍን፣
ለ. ኣድላይ ዳይሬክቶሬት፣
ሐ. ንስራሕ ዘድሊ ሰራሕተኛ፣
ዓንቀፅ 13. ተፀዋዕነት ቤት ዕዮ በቢካቢኔ ሚኒስትሪ
ሀ. ንካቢኔ ሚኒስትሪ ስግግር ልምዓት ቁጠባ ተፀዋዕቲ ዝኾና፡-
1. ሚኒስትሪ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን
2. ሚኒስትሪ ኣጠቓቕማን ምምሕዳርን መሬት
3. ሚኒስትሪ ኢንዱስትሪን ኢነርጅን
4. ሚኒስትሪ ታሪኽ፣ ባህልን ቱሪዝምን
5. ኤጀንሲ ቴክንክ፣ ሞያ፣ ትምህርትን ስልጠናን
6. ኤጀንሲ ምሕደራ መዓድን
7. ኤጀንሲ ምልማዕ ንግዲ
8. ኤጀንሲ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላትን ስራሕ ዕድል ፈጠራን
9. ኤጀንሲ ሕብረት ስራሕ ማበራትን ልምዓት ዕዳጋ፣
10. ኮሚሽን ኢንቨስትመንትን ሰደድን
11. ኢንስትቲዩት መፅናዕትን ምርምርን ሕርሻ
12. ኤጀንሲ ሓለዋ ከባቢ
13. ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ምህርትን ብርኪ ምደባን
ለ. ንካቢኔ ሚኒስትሪ መሰረተ ልምዓት ተፀዋዕቲ ዝኾና፡-
1. ሚኒስትሪ ኮንስትራክሽን፣ ልምዓት ከተማን ኣባይትን
2. ሚኒስትሪ ሃፍቲ ማይ
3. በዓል መዚ ቁፅፅርን ምሕደራን መጓዓዚያን
4. በዓልመዚ ክትትልን ቁፅፅርን መንግስታዊ ልምዓት ትካላት
ሐ. ንካቢኔ ሚኒስትሪ ትልሚ፣ ልምዓት እቶትን ምሕዳርን ሃፍትን ተፀዋዕቲ ዝኾና፡-
1. ሚኒስትሪ ፋይናንስ፣
2. ኮሚሽን ዕደጋን ምሕደራ ንብረትን
3. በዓልመዚ ልምዓትእቶትን ጉምሩኽ
4. ኮሚሽን ትልምን ኣጀንዳ 2037 ዓ. ምን
5. ኤጀንሲ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት
6. ኤጀንሲ ስታስቲክስ
7. ኮሚሽን ሓደጋ ድልውነትን ቅድመ መጠንቐቅታን
መ. ንካቢኔ ሚኒስትሪ ስግግር ማሕበራዊ ልምዓት ተፀዋዕቲ ዝኾና፡-
1. ሚኒስትሪ ትምህርቲ
2. ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና
3. ኮሚሽን ስፖርት
4. ኢኒስትቲዩት ምርምር ጥዕና
5. ኮሚሽን ሓርበኛታት
6. ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ
7. በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣ መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን
8. ኤጀንሲ ኣቕርቦት መድሓኒት
9. ኤጀንሲ መድሕን ጥዕና
ረ. ንካቢኔ ሚኒስትሪ ዘይምእኹል ምምሕደራን ዲሞክራታይዜሽንን ተፀዋዕቲ ዝኾና፡-
1. ሚኒስትሪ ፍትሒ
2. ሚኒስትሪ ሲቪል ሰርቪስ፣
3. ኣግኣዚ ኢንስቲትዩት ምርምርን ስልጠናን ፍትሕን ሕግን
4. ሚኒስትሪ ርክብ ህዝብን መንግስትን ብሮድካስትን
5. ቤት ፅሕፈት ምትእንጋድ ጥርዓን ሕብረተሰብ
6. ሚኒስትሪ ሰላምን ምክልኻል ገበንን
7. ማእኸል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ
ሰ. ንካቢኔ ሚኒስትሪ ትካላት መፅናዕቲ፣ ምርምርን ምህዞን ተፀዋዕቲ ዝኾና፡-
1. ሚኒስትሪ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን፣
2. ኢንስትቲዩት መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲ ትግራይ
3. ኣካዳሚ መፅናዕቲ ቋንቋታት ትግራይ
4. ኣካዳሚ ኣመራርሓ መለስ ዜናዊ
5. ኤጀንሲ ምዘናን ምርግጋፅ ብቕዓትን
ሸ. ንፕረዚደንት ተፀዋዕቲ ዝኾና፡-
1. ሚኒስትሪ ምክልኻል
2. ሚኒስትሪ ድሕንነት
3. ሚኒስትሪ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ሕብረተሰብ፣ ማዕርነት ፆታን
4. ሚኒስትሪ ጉዳይ ወፃኢ
5. በዓልመዚ ክትትልን ቁፅፅርን መንግስታዊ ቤት ዕዮ
6. ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረግዕዝይናን
7. ፍሉይ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
8. ቤት ፅሕፈት ኣቀባሊ ቃል መንግስቲ
9. ክፍሊ ነባር ዓቕምታት
10. ክፍሊ ፍሉያት ኣማኸርቲ
11. ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት
ክፍሊ ኣርባዕተ
ስልጣንን ተግባርን ቤት ዕዮን ሓለፍትን
ዓንቀፅ 14. ሓበራዊ ስልጣንን ተግባርን ካቢኔ ሚኒስትሪን ፍሉይ ቤት ፅሕፈት
ፕሬዚዳንትን
ናይዚ ኣዋጅ ዓንቀፅ 6 ድንጋገ ሕሉው ኾይኑ ሕድ ሕድ ካቢኔ ሚኒስትሪ ዝስዕብ
ስልጣንን ተግባርን ይህልዎ
1. ልምዓትን ምቅልጣፍን ሰናይ ምምሕዳርን ምንጋስን ተነፂሮም ብዝተውሃብዎ መደባት
መሰረት ዝወፀ ፖሊስን ስትራተጅን ተግባራውነቶም ይከታተል፣
2. ነዊሕ፣ ማእኸላይን ሓፂርን እዋን ትልሚ የውፅእ፣ ናብ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቡ የፅድቕ፣
የተግብር፣
3. ዝተመደበሉ በጀት የመሓድር፣ ውፅኢቱ ገምጊሙ ንዝምልከቶ ኣካል ፀብፃብ የቕርብ፣
4. በዚ ኣዋጅ ንካቢኔ ሚኒስትሪኡ ተፀዋዒ ዝኾነ ቤት ዕዮ፣ትልሚ ኣፈፃፅማ ስራሕ
ብላዕለዋይነት ይመርሕ፣የተሓባብር፣ ስራሕ ኣፈፃፅማኡ ይግምግም፣ ፀብፃብ ንርእሰ
ምምሕዳርን ብሕጊ ስልጣን ንዝተውሃቦም ኣካላትን የቕርብ፣
5. ስርዓት ተሓታትነትን ግልፅነትን ዘስፍን ኣሰራርሓ የውፅእ፣ ይከታተል፣ ይግምግም
ብኣግባቡ ኣብ ዘይፍፅሙ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ይወስድ፣
6. ናብኡ ተፀዋዕቲ ዝኾና ኣብያተ ዕዮ ኣዋጅ፣ደንቢ፣መምርሕን ኣሰራርሓን ኣብ ስራሕ
ምውዓሎም የረጋግፅ፣
7. ናብኡ ተፀዋዕቲ ዝኾና ኣብያተ ዕዮ ዝተውዓዓልዎ ምውዕላት ብሕጊ መሰረት ይፍፀሙ
ምህላዎም ይከታተል፣
8. ከከም ኣድላይነቱ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምምኽኻር ኣብ ዝተፈላለዩ ብርክታት
ምምሕዳር መሓውር ይዝርግሕን፣ ዝሰርሕሉ ቦታ ወይ ከባቢ ይውስን፣
9. ሰራሕተኛታት ኣግባብነት ብዘለዎ ሕጊመሰረት ይቆፅር፣ የመሓድር፣
10. ንካቢኔ ሚኒስትሪኡ ምክትል ዝኸውን መልሚሉ ናብ ፕረዚደንትየቕርብ፣
11. ብፕረዚደንትንቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትሪታትን ዝተውሃቦ ካልኦት ስራሕቲ
ይፍፅም፣የፈፅም
ዓንቀፅ 15. ሓበራዊ ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትር ካቢኔ ሚኒስትሪ
ሕድሕድ ሚኒስትር ካቢኔ ሚኒስትር ዝስዕብ ስልጣንን ተግባርን ይህልዎ፣
1. ኣባል ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት ኮይኑ ይሰርሕ፣
2. ንዝተመደበሉ ካቢኔ ሚኒስትሪ ብላ ዕለዋይነት ይመርሕ፣
3. ትልምን በጀትን ካቢኔ ሚ ኒ ስት ርኡ ኣዳልዩ ክፀድቕ ናብ ዝምልከቶ ኣካል
የቕርብ፣ ምስፀደቐ ኣብ ተግባር የውዕል፣
4. ንካቢኔ ሚኒስትር ዝተመደበ በጀት ብመሰረት ሕጊ ፋይናንስ የመሓድር
5. ንካቢኔ ሚኒስትርኡ ብምውካል ምስ ሳልሳይ ወገን ር ክ ብ ይ ፍ ፅ ም ፣
6. ኣግባብነት ብዘለዎ ሕጊ ሰራሕተኛታት ይቆፅር፣የመሓድር፣
7. ስራሕ ህንፀት ዓቕሚ ስራሕተኛን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ይፍፅም፣
8. ብዝምልከቶ ኣካል ዝቐርብ ናይ ዲስፕሊን ቅፅዓት ውሳነ ሓሳብ የማሓይሽ፣የፅድቕ
ወይ ይስዕር፣ ጥርዓን ስራሕተኛኡ ይቕበል መፍት ሒ የቐ ምጥ፣ዝርዝሩ ብደንቢ ይውሰን፣
9. ኣድላይ ኾይኑ እንትርከብ ካብ ስልጣኑን ተግባሩን ብኽፋል ንካሊእ ኣካል ውክልና
ክህብ ይኽእል፣
10. ናብ ዝመርሖ ካቢኔ ሚኒስትሪ ተፀዋዒ ዝኾኑ ኣብያተ ዕዮ የተሓባብር፣ ኣወዳድ ባ፣
ፕሮግራም ስራሕን በጀቶምን መርሚሩ ንዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ንክቐርብ
ይውስን፣
11. ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ካቢ ኔ ሚ ኒ ስሪ ኡ ን ንካ ቢ ኔ ሚ ኒ ስት ሪ ኡ ተፀዋ ዕቲ ዝኾ ኑ
ኣብያተ ዕዮን ንፕ ሬዚደንት፣ ብሕጊ ስልጣንን ዝተውሃቦም ኣካላትን የቕርብ፣
12. ብፕ ሬዚደንት ን ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራትን ዝወሃቦ ካልኦት ስራሕቲ ይፍፅም፣
የፈፅም፡፡
ዓንቀፅ 16. ሓበራዊ ስልጣንን ተግባርን ምኒስትር ዴኤታ ካቢኔ ሚኒስትሪ
1. ሚኒስትር ካቢኔ ሚኒስትሪ ኣብ ስራሕ ኣብ ዘይህልወሉ ወይ ክስርሕ ኣብ ዘይኽእለሉ
እዋን ንሚኒስትር ካቢኔ ሚኒስትሪ ተኪኡ ይሰርሕ፣
3. ኣብቲ ካቢኔ ሚኒስትሪ ካብ ዘለው ዳይሬክቶሬታት ንሓዲኡ ይመርሕ፡፡
4. ብሚኒስትር ካቢኔ ሚኒስትሪ ዝወሃቦ ካልእ ተግባር ይፍፅም።
ዓንቀፅ 17. ሓበራዊ ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ
ሕድሕድ ሚኒስትሪ ብስራሕ ዘፈሩ ዝስዕብ ስልጣንን ተግባርን ይህልዎ፣
ሀ. መፅናዕቲ ይገብር፣ መረዳእታት ይእክብ፣ ይውድብ፣ ይዝርግሕ፤
ለ. ፖሊስን ሕግን የመንጩ ብዝምልከቶ ኣካል እንትፀድቕተፈፃሚ ይገብር፣
ሐ. ብመሰረት ሕጊ ፋይናንስ ንብረቱ የመሓድር፣
መ. ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕብባር ይሰርሕ፣
ረ. ትልምን በጀትን የዳሉ፣ እንትፍቀድ ኣብ ስራሕ የውዕል፤
ሰ. ብመጣየሺ ሕጉ ወይ ብካሊእ ኣግባብ ዘለዎ ሕጊ ተፀዋዒ ዝኾኑሉ ኣብያተ ዕዮ
ኣፈፃፅማ ስራሕ ብላዕለዋይነት ይመርሕ፣ የተሓባብር፣ ኣወዳድባኦም፣ ትልሚ ስራሖምን
በጀቶምን መርሚሩን ንዝምልከቶ ኣካልን ክቀርቡይውስን፤
ሸ. ኣብ ዘመንጭዎ ፖሊሲ፣ ሕጊ፣ ፕሮጀክትን ፕሮግራምን ተረባሕነትን ተሳትፎን ፍሉይ
ጠመተን ደገፍን ዘድልዮም ክፋላትሕብረተሰብ የረጋግፅ፣
ቀ. በዚ ኣዋጅን ካልእ ኣግባብ ዘለዎ ሕጊ ዝተውሃቦ ስልጣንን ተግባርን የፈፅም፣
በ. ኣድላይ ኮይኑ እንትርከብ ካብ ስልጣኑን ተግባሩን ብኽፋል ንካልእ ቤት ዕዮ
ብውክልና ክህብ ይክአል፣
ተ. ስርዓት ገምጋምን ክትትልን የተኣታቱ፣የፈፅም፣
ቸ. ሕጋዊ ኣፍልጦን ፍቃድን ይህብ ወይ ንክወሃብ ይገብር፣ይእግድ፣ይስርዘ፣ከከምኩነታቱ
ብቕዓት ብምግጋፅ ምስክር ወረቐት ይህብ ወይ ክወሃብ ይገብር፣
ነ. ሰራሕተኛ ብመሰረት ኣግባብነት ዘለዎ ሕጊ የመሓድር፣
ኘ. ንስራሕ ዘድሊ እታዎት የማልእ ወይ ክማላእ ይገብር ፣
አ. ፀብፃብ ኣፈፃፅ ስራሕን ፕሬዚደንት፣ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራትን ካሊእ
ዝምልከቶ ኣካልን የቕርብ፡፡
ስልጣንን ተግባርን ሚንስትሪታት
ዓንቀፅ 18. ሚኒስትሪ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን
1. ንሓረስቶት ዝወሃቡ ግልጋሎታት ኤክስቴንሽን ሕርሻን ክስፋሕፍሑ ይመርሕ፣
የበረታትዕ፣
2. ግልጋሎት መሰረተ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ንክስፋሕፍሑ ኩነታት
የመቻቹ፣
3. ኣብ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ፅዕንቶ ከሕድሩ ዝኽእሉ ወድዓዊ ኩነታት
ይከታተል፣ ስርዓት ቅድመ መጠንቀቕታን ቅድመ ምድላውን ይዝርግሕ፣
4. ተላበድቲን ተዛመትን ሕማም እንስሳን ዘራእቲን ወራር ባልዕን ምክልኻልን
ንምቁፅፃርን ኣድላይ ስጉምቲ ይወስድ፣
5. ምሕደራ ውፅኢት ሕርሻ፣ ኣትክልትን ፍራምረን፣ እንስሳ፣ ዓሳ፣ መዓርን ካልኦት
ውፂኢት ሃፍቲ ተፈጥሮን ድሕንነት እዞም ውፂኢታት ንሕምሕላው ዘኽእሉ ማእኸላት
የጣይሽ። ዝርዝሩ ብዝወፅእ መምርሒ ይውሰን።
6. ስራሕቲ ልምዓት ሆርቲካልቸርን ህንፀት ኣናእሽተይ መስኖን ንክጋፋሕ ስልትታትን
የዳሉ፣ የፈፅም፣
7. መሰልጠኒ ማእኸል ሓረስቶት የጣይሽ፣ ይድግፍ፣ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
8. ብሚኒስትሪ ሃፍቲ ማይ ዝተሃነፁ ዲጋታት፣ ግድባትን መስመራት መስኖን ተረኪቡ
የመሓድር፣
9. መፍረያይነት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዘዕብዩ ካብ ምርምር ዝተረኸቡ ሓደሽቲ
ቴክኖሎጂታትን ኣሰራርሓታትን ብሰርሒኻ መርኣያ ናብ ሓረስታይ ክተኣታቶ ይሰርሕ
ውፅኢቱ እናገምገመ ናብ ኩሉ ከባቢ ክሰፍሕ ይሰርሕ፣

10. ፕሮግራማት ውሕስነት ምግቢ ይቐርፅን የተግብርን፣


11. ሽፋን ደኒ ንክዓቢ፣ ብርሰት ደኒ ንክቅንስን ኣጠቓቕማኡ ንክመሓየሽን ንብርሰት ደኒ
ከም መከላኸሊ ዝኾኑ ኣናእሽተን ኣማራፂ ኢነርጂ ንክተኣታቶ ስልትታን
ኣሰራርሓታትን የነፅር ንተግባራዊነቶም ይመርሕ፣
12. ናብ ዕዳጋ ዝቐርቡ እታወታትን ምህርቲ ሕርሻን ፅሬት ፍቓድ ይህብ፣ ቑፅፅር ይገብር፣
13. ኣመጋግባ ሕብረተሰብ ንኽመሓየሽ ዝለዓለ ስነ መዓዛ ዘለዎም ምህርቲ ሕርሻ
ንክተኣታተዉን ንክሰፍሑን ይሰርሕ፣
14. ኣብ ትግራይ ንዘለዋ ከባቢ እንስሳ ብበዝሕን ብፅሬትን ንክመሓየሻን መፍረያይነት
ንከዕብያ ናይ ምድቓል ስራሕቲ ይሰርሕ፣
15. ስራሕቲ ሕርሻ ናብ ሜካናዘሽን ንክቕየር ኣድላይ ሓገዝ ይገብር፣ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
16. ብሄራዊ ፓርክን ሕልው ደንን ይኽልል፣ የመሓድር፣ ይከታተል፣

ዓንቀፅ 19. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ኣጠቓቕማን ምምሕዳርን መሬት


1. መሬት ትግራይ ይምዝግብ፣ ስፓሻል ፕላን የዳልው፣ ክዳሎ ይገብር፣ መሰረታዊ ካርታ
ኣጠቓቅማን ሽፋንን የዳሉ፣ ክዳሎ ይገብር፣ ኣገልግሎት ምህንድስና ይህብ፣ ክውሃብ
ይገብር፣ ኣፈፃፅምኡ ይቆፃፀር፣
2. ካዳስተር መሬት ከተማን ገፀርን ትግራይ የዳልው፣ ክዳለው ይገብር፣ ይመርሕ፣
የመሓድር፣ዘበናዊ ኣሰፋፍራ ገፀር ትግራይ ብፕላን ክምራሕ ይገብር፣ ተግባራውነቱ
ይቆፃፀር፣
3. ንምርግጋፅ ኩለመዳያዊ ልምዓት ትግራይ ዝውዕል መሬት የዳልው፣ ዘበናዊ ስርዓት
መሬት ይዝርግሕ፣
4. ብመሰረት ኣገባብነት ዘለዎ ሕጊ ንምሩፅ ፕሮጀክታት ኢንቨስትመንት፤ ንኮሚሽን
ኢንቨስትመንትን ሰደድን ትግራይ ይህብ፣ ናብ ካሊእ ዝምልከቶ ኣካል የመሓላልፍ፣
5. ሓበሬታ ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ንህዝቢ ዕላዊ ይገብር፣
6. መረዳእታ ወይ ሰነድ ትሕዝቶ መሬት ሕጋዊ መሰል ንዘለዎ ተጠቃማይ ይህብ፣
7. ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝተትሓዘ መሬት ይዅን ብሕጋዊ መንገዲ ተታሒዙ ብኣገባቡ
ኣብ ልምዓት ዘይወዓለ መሬት ይከታተል፣ ይቆፃፀርን ስጕምቲ ይወስድን ምስ ዝምልከቶ
ቤት ዕዮ ብምዃን መሊሱ ኣታዊ ይገብር፣ ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
8. መሬት ብመሰረት ሕጊ ንዝለዓለ ህዝባዊረብሓን ልምዓትን ክውዕል ዘግብር ለውጢ
ኣተሓሳስባ ክፍጠር ይሰርሕ፣
9. ትልሚ ዕብየት ልምዓት ጐረባብቲ መሬት ገፀርን ከተማን ምስፋሕ መሬት ከተማን
የዳልው፣ ዝርዝሩ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት ብዘውፅኦ ደንቢ ይውሰን፣
10. ብሕጊ ስልጣን ብዝተውሃቦ ኣካል እንትውሰን፣ ንመሬት ገፀር በዓል ትሕዝቶ መሬት
ኰይኑ ዝፀንሐ ሓረስታይ ረብሕኡ ብዘረጋግፅ መንገዲ ኣጠቓቕምኡ ወይ ምምሕዳሩ
ክቕየር ይገብር፣ ዝርዝር ኣፈፃፅምኡ ቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ብዘውፀኦ ደንቢ ይውሰን፣
11. ካብ ገፀር ናብ ከተማ ዝኣትው መሬትን ብዝዀነ መልክዑ ኣጠቓቕምኡ ክቕየር
ዝተወሰነ መሬትን ብስርዓት ርኽክብ ይፍፅም፣ ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
12. ብመሰረት ሕጊ ካሕሳ፣ ላውጣ መሬትን እግሪ ምትካል ካብ ትሕዝቶ መሬቱዝተልዓለ
በዓል መሰል ኰይኑ ዝፀንሐ ሰብን ዝምልከት ዋኒን ይመርሕ፣የመሓድር
13. ኣብ ኣጠቓቕማን ምምሕዳርን መሬት ኣብ ዝለዓል ምምሕዳራዊ ቅርታ ብመሰረት
ኣገባብነት ዘለዎ ሕጊ ይውስን፣
14. ኣብ ኣጠቓቕማን ምምሕዳርን መሬት ኣመልኪቱ ምስ ትግራይ ምስ ዝዋሰን ኣካል
ዘይምርድዳእ እንተጋጥም ነዚ ኣብ ምፍታሕ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ኰይኑ ይሰርሕ፣
ዓንቀፅ 20. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ኢንዱስትሪን ኢነርጅን

1. ንልምዓት ኢንዱስትሪ፣ ኢነርጅን ምቹው ኩነታት ንክፍጠር ይሰርሕ፣


ንተወዳዳራይነቶም ዓንቀፍቲ ዝኾኑ ጉዳያት ብመፅናዕቲ ብምፍላይ መፍትሒ የቕምጥ፤
2. ልምዓት ኢንዱስትሪን ኢነርጂን ዝድግፉን ዘተሓባብሩን ትካላት ብማዕቐፋት ድጋፍ
ናይ ምፍፃም ዓቕሞምን ምዕባይ ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ይሰርሕ፣
3. ሰንሰለት እሴት መሰረት ብምግባር ትካላት ውሃብቲ ድጋፍ ኣብ ድሌትን ብርኪ
ዕብየትን ዝተመስረተ ስልጠና፤ ፋይናንስ፤ ቴክኖሎጂን እታወታትን ንኢንዱስትሪታት
ምቕራቦም የረጋግፅ፤
4. ልምዓት ኢንዱስትሪን ኢነርጅን ዘቀላጥፉን ተወዳዳራይ ክገብሩ ዘኽእሉን
መፅናዕትታት ብሉፅ ተሞኩሮ ኣብ ውሽጢን ወፃኢን ዓዲ የካይድ፤ ይፈሊ፣ ይቕምር
የስፍሕ፤
5. ልምዓት ኢንዱስትሪታት ኢነርጅን በቢዘፈሮም ነዚ ልምዓት ምስላጥ ይጠቕሙ
ተባሂሎም ዝጣየሹ ኣወዳድባታት ንክውደቡ ኣድላዪ ዘበለ ድጋፍ ይገብር፤ ዝርዝሩ
ብመ ምር ሒ ይውሰን።
6. መፅናዕቲ መዋፃኣይነት ልምዓት ኢንዱስትሪን ኢነርጅን ክዳለዉ ይገብር፣ መረዳእታ
የተኣኻኽብ፣ ይትንትን፣ ይውድብን ንተጠቀምቲ የስፍሕ፤
7. ንምፍጣርን ምጥንኻርን ኢንዱስትርያሊስት ፕሮግራም ኢንተርፕርነርሽፕ ብምቕራፅ
ይትግብር፣ ክትግበር ይገብር ፅርየትን መፍረያይነትን ስርዓት ካይዘን ተዋዲዱ ክትግበር
የመቻቹ፣ ግልጋሎት ኤክስቴንሽን ኢንዱስትሪ የመቻቹ፣ ይትግብር፣ ክትግበር ይገብር፣
ሞዴል ማእኸላት ኢንኩቤሽን ክጣየሹ ይገብር፤ ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
8. ንኢንዱስትሪታት ግልጋሎት ንምሃብ ዝውዕል ልምዓት ኢንዱስትሪ ብምውዳብ፣
ዝተማልአ መሰረተ ልምዓት ዝሓዙ መንደራት ኢንዱስትሪን ማእኸላት ዕዳጋን ክህነፁ
ንምግባር ግቡእ ሓገዝን ደገፍ ህንፀት ዓቕሚን ይገብር፣
9. ካብ ማእኸሎት ናብ ዓበይቲ ኢንዱስትሪ ዝግበር ስግግር ይድግፍን የሰጋግርን፤
ኣናእሽተይን ማእኸሎትን ኢንዱስትሪ ነንባዕሎም፣ ዓበይቲ፣ ደቀቕቲን ኣናእሽተይን
ትካላት ብቐረብ፣ ብእታወታት፣ ብፍርያት ቴክኖሎጂን ምትእስሳር ንክፍጠር ይገብር፣
ተጠቀምቲ ውሽጢን ወፃኢን ዓዲ ምትእስሳር ዕዳጋታት ክኾኑ ይድግፍ፤ ዝርዝሩ
ብመ ምርሒ ይውሰን።
10. ካብ ደቐቕቲ ኢንዱስትሪ ናብ ኣናእሽተይ ኢንዱስትሪ ዝግበር ስግግር ስርዓት
ብምዝርጋሕ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲዱ ይሰርሕ፣
11. ልምዓት ሓፈሻዊ ኢንዱስትሪን ኢነርጅን ተወዳዳሪ ክኸውን ኣብ መፅናዕቲ
ዝተመሰርተ ስርዓት ሽልማት ኣፍልጦን መበረታትዕን ክዝርጋሕ ይገብርን ተፈፃምነቱ
ይከታተል፤
12. ኣብ ውሽጢን ወፃእን ዓዲ ዓውደ ምርኢት፣ ዓውደ መፅናዕቲ፣ ሰሚናራትን ካልኦት
ተመሳሰልቲ መድረኻትን ብምድላው ብምትሕብባርን ብኢንዱስትሪ ዝፈርዩ ፍርያት
ቴክኖሎጅታትን ክፋለጡን መፍረይቲ ኢንድስትሪ ልውውጥ ተመክሮ ልምድን ክገብሩ
ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምውዳድ ምችው ኩነታት ንክፍጠር ይድግፍ፣
13. ኢንዱስትሪን ኢነርጅንን ግልጋሎት ሓደ ማእኸል ዝህቡ ማእኸላት ግልጋሎት
ንክጣየሹ ይድግፍን፤ ዝርዝሩ ብመምር ሒ ይ ውሰን ።
14. ኢንዱስትሪታት መረጋገፂ ብቕዓትን ሰርቲፊኬት ብርኪ ፅርየትን ክረኽቡ ድጋፍ
ይህብ፤
15. ብዓለምለኸ ብቕዓቱ ሓልዩ ግልጋሎት ንምሃብ ዘክእል ኢንዱስትሪን ኢነርጅን
ንምድጋፍ ተመሳሳሊ ዕላማ ምስዘለዎም ኣብ ዓዲውሽጢን ወፃኢን ዘለዉ መንግስታዊን
ዘይመንግስታዊን ትካላት ተሓባቢሩ ይሰርሕ፤
16. ተመሳሳሊ ዕላማ ካብ ዘለዎም መን ግ ስታ ውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝርከቡ
ድጋፋት የተሓባብር፤ ን ምዕባለ ኢነርጂ ዝጠቅሙ ምስ ከባቢና ዝስማምዑ ቴክኖሎጂታት
የፅንዕ የተኣታቱ፣ ንክተኣታተዉ ይገብር፣ የፋልጥ
17. ተሓደስትን ዘይተሓደስትን ፍልፍላት ኤነርጂ ከም ሓይሊ ንፋስ፣ ሓይሊ ፀሓይን፣
ማይ ሓይሊ መፈልፈሊ ጣቢያታት፣ ባዮማስ፣ ባዮጋዝን ባዮፊዩልን፣ ጂኦተርማልን ካልኦት
ሓይሊ ዘፈልፍልሉ ኩነታት የፅንዕ፣ የልምዕ፣ ክለምዕ ይገብር፣ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
18. ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምፍልፋልን ምስርጫውን ብዝምልከት ፍቓድ ይህብ፣ ይቆፃፀር፣
ይእግድ፣ ይስርዝ፣
19. ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ብዝምልከት ዝወፁ ሕግታትን አሰራርሓን ብዝግባእ ኣብ
ስራሕ ምውዓሎም ይቆፃፀር፣
20. መሰረታዊ ኩነታት ስራሕ፣ ሞያዊ ጥዕናን ድሕንነትን ኣስራሕትን
ሰራሕተኛታትን ንምሕላው ዘኽእሉ ሜላታት ኣሰራርሓ የውፅእ፣ ይድግፍ፣ ይቆፃፀር፣
ይውስን፣
21. ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ኣስራሕን ሰራሕተኛ ብማሕበር ክውደቡን ሓበራዊ ስምምዕነት
ከፅድቁ ቴክኒካዊ ድጋፍ ይገብር፣ ሕጋዊ ኣፍልጦ ይህብ፣
22. ኣብ ሞንጎ ኣስራሕ፣ ሰራሕተኛን መዳርግቲ ኣካል ንሰላማዊ ዝምድና ብምጥንኻር
ኢንዱስትሪያላዊ ሰላም ክዓስልን ትካላዊ ምህርቲ ክዓቢ ትምህርቲ ይህብ፣ ምችው
ኩነታት ይፈጥር፣
23. ኣብ ሞንጎ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ክርክር ስራሕ መሰረት ገይሮም ንዝቐርቡ
ጥርዓናት የስማምዕ ንዘይተስማሙዑ ስሉጥ ውሳነ ክረኽቡ ይገብር፣
24. እዋናዊ መረዳእታ ዕዳጋ ስራሕ፣ ሞያ ጥዕናን ድሕንነትን ኣስራሕትን ሰራሕተኛን፣
ዝተፈላለዩ ናይ ስራሕ ዕድላት ብምእካብን ብምትንታንን ንመንግስቲ፣ ንፖሊሲ
መውፃእቲ፣ ንስልጠና ወሃብን ካሊእ ንዝምልከቶ ኣካል ሓበሬታ ይህብ፣ ይዝርግሕ፣
ዓንቀፅ 21. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ታሪኽ ባህልን ቱሪዝምን
1. ሃይማኖታዊ፣ መንግስታዊ፣ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ውልቀሰባትን ኣብ ልምዓት
ባህልን ቱሪዝምን ተዋዲዶም ንክሰርሑ ዘኽእል ኣንፈት የነፅር፣ የተሓባብር፣
2. ባህሊ፣ ቱሪዝምን ታሪኽን ተንከፍ ዝኾነ መረዳእታ ይእክብ፣ ይትንትን፣ የዋድድ፣
ይዝርግሕ፣
3. ፈንድ ልምዓት ባህሊ፣ ቱሪዝምን ታሪኽን ክጣየሽ ይገብር፣ እቶት የተኣኻኽብ ኣብ
ስራሕ የውዕል፣ ዝርዝሩ ብደንቢ ይውሰን፣
4. ኣብ ዝካየዱ ስራሕቲ ምርምርን ክንክንን ሓድግታት ደገፍ ይገብር፣ ሕብረተሰብ እቲ
ከባቢ ተረባሒ ዝኾነሉ ኩነታት የመቻቹ፣
5. ምስዝምልከቶ ኣካል ብምትሕብባር ዝካየድ ህንፀት መሰረተ ልምዓትን ካልኦት
ልምዓታዊ ስራሕትን ባህልን ቱሪዝምን ብዘማእኸለ መልክዑ ንክሰርሑ ይከታተል፣
6. ዝተዋደደ ልምዓት ሃፍቲ ቱሪዝም፣ ባህልን ታሪክን ኣመልኪቱ ንዝጣየሽ ካውንስል
ባህል፣ ቱሪዝምን ታሪክን ይመርሕ፣ የተሓባብር፣ ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
7. ንሰብ ሞያ ኢደ-ጥበብን ባህልን ስነ-ጥበብን ብምብርትታዕን ንበፃሒ ብዝምችው፣
ንባህሊ ትግራይ ብዘላልን መንገዲ ንክሰርሑን ብስርሖም ተጠቀምቲ ክኾኑን የመቻቹ፣
ምስ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ተወዲቦም ክሰርሑ የተባብዕ፣
8. ታሪኻዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ባህላዊን ተፈጥሮኣውን ሓድግታት ክዕቀቡ፣ ክፅንዑ፣ ክሕደሱን
ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ይሰርሕ፣
9. ኣብ ኢድ መንግስቲ፣ ውልቀሰብ፣ ማሕበር ወይ ትካላት ሃይማኖት ዝርከቡ ሓድግታት
ይምዝግብ፣ ብዝግባእ ክተሓዙን ክዕቀቡን የተሓባብር፣ መንግስቲ ብዝፍቀዶ በጀት ኣብ
ኢድ ውልቀ ሰብ ዝርከቡ ሓድግታት ብዕዲግት ወይ ብውህብቶ መልክዕ የተኣኻኽብ፣
10. ኣብያተ-መዘክር ወይ ሙዜማት የጣይሽ የስፋሕፍሕ፣
11. ኣብ ግልጋሎት ዘፈር ሆቴልን ቱሪዝምን ንዝተዋፈሩ ምደባ ብርኪ የካየድ፣
12. ሓድጊ ዓለምለኻዊ ኮይኑ ንክምዝገብን ንበፃሕቲ ሰሓቢ ክኾን፣ ኣብ ዕዳጋ ውሽጢ
ዓድን ዓለምን የፋልጥ፣
13. ዳህሳስን ኳዕትን ኣርኪኦሎጂ የካይድ፣ ክካየድ ይገብር፣
14. ኣብ ምጥፋእ ዝርከቡ ጠቐምቲ ባህልታት ምስዝርዝር መግለፂኦም መዝጊቡ ይሕዝ፣
ከምብሓድሽ ዝጥጥዕሉ ኩነታት ይፈጥር፣
15. ኣብያተ መፃሕፍትን መዛግብትን ክጋፍሑ ይገብር፣ ጥንታዊ መዛግብትን ታሪኻዊ
መረዳእታታትን የተኣኻኽብ፣ ሞያውን ቴክኒካውን ሓገዝ ይህብ፣ ንመፅናዕትን ምርምርን
ድልዊ ዝኾንሉ ኩነታት የመቻቹ፣ ማእኸል ቤተመዛግብትን መረዳእታን የጣይሽ፣
16. ማእኸላት ባህሊ በቢብርኩ ንኽጋፍሑ ይገብር፣ ኣብዚ ዓውደ ስራሕ ንዝሰርሑ ኣካላት
ኣድላይ ደገፍ ይህብ፣ ባህሊ፣ ታሪክን ስነ-ምግባርን ማሕበረሰብ ሓልዮም ይካየዱ
ምህላዎም ይቆፃፀር፣
17. ተወዲቦም ፍቓድ ንግዲ ብምውፃእ ኣብ ሰራሕቲ ኪነ-ጥበባት፣ ካልኦት ስራሕቲ
ባህልን ቱሪዝምን ንዝተዋፈሩ ኣካላት ስልጠና ይህብ ይቆፃፀር፣
18. በቢግዚኡ ዝሕተሙ ጠቐምቲ ዝኾኑ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ፅሑፋት፣
ፎቶግራፋት፣ ፊልምታት፣ ታሪኻዊን ባህላውን ሰነዳት፣ ንመፅናዕቲ ወይ ንመወከሲ
ኣገልግሎት የዳሉ፣ ይዕቅብ፣
19. መጎብነይ ዋጋ ብመንግስቲ ዝመሓደር መስሕብ ብዘዉፅኦ መምርሒ ይውስን፡
20. ኣብ ዘፈር እደ-ጥበብ፣ ኪነ-ጥበብን ሙዝየማትን መንግስቲ ንዘጣየሾም ትካላት
ይመርሕ፣ የመሓድር፣ ይቆፃፀር፣
21. ሓድግታትን ታሪካትን ንምዕቃብን ንምክንኻንን ዝሕግዙ ኣገባባት ይምህዝ፣ ምስ ሓገዝ
ውሃብቲ ትካላት ርክብ ብምፍጣር ሓገዝ ይእክብ፣
22. ኣብ ግልጋሎት ሆቴልን ቱሪዝምን ዝተዋፈሩ ት ካላ ት፣ ውልቀ ሰብ ሃፍትን
ሰራሕተኛታትን ዓቕሞም ንምዕባይ ግልጋሎት ሓበሬታ ምኽርን ስልጠናንን ይህብ፣
23. ብታሪኽ፣ ባህልን ቱሪዝምን መረጋገፂ ብቕዓት ንክወሃቦም ንዝተወሰነሎም ወሃብቲ
ግልጋሎት መረጋገፂ ብቕዓት ይህ ብ፣
24. ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ታሪኽ ባህልን ቱሪዝምን ተሓባቢርካ ንምልማዕ
ዝሕግዝ ሓሳብ የቕርብ እንትፀድቕ የፈፅም፣

ዓንቀፅ 22. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ኮንስትራክሽን፣ ልምዓት ከተማን ኣባይትን


1. ፖሊሲን ስትራተጂን ኮንስትራክሽን ልምዓት ከተማን ኣባይትን ትግራይ ሓንፂፁ ናብ
መንግስቲ የቕርብ፣ ምስ ፀደቐ የተግብር፣
2. ኣብ ትግራይ ዝስራሕ ኩሉ ስራሕ ኮንስትራክሽን ይቆፃፀር፣ ሓዱሽ ቴክኖሎጂ፣
ናውቲ ህንፃን መሳርሕን ንምትእትታው መፅናዕትን ምርምርን የካይድን ክካየድ
ይገብርን፣
3. መመዘኒ ብርኪ ዲዛይን ኮንስትራክሽን ዝምልከት መምርሒ የውፅእ ምትግባሩ
የረጋግፅ፣
4. መምርሒ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን የዳሉ፣ ይትግበር፣ ክትግበር ይገብር፣
5. ንሰብ ሞያ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን መዐቀኒ የውፅእ፣ ፍቓድ ሞያ፣ ብቕዓት
መረጋገፂ ፍቓድ ስራሕ ይህብ፣ ስጉምቲ መኣረምታ ይወስድ፣
6. ብዝምልከቶም ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ዝቐርብ ሕቶ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ተቐቢሉ
ጨረታ የውፅእ፣ ይወዓዓል፣ ይከታተል፣ የስርሕ፡፡
7. ስራሕ ዲዛይን ህንፃ፣ ህንፀት፣ ፅገናን ክትትልን ይሰርሕ፣ ንተዃናታሪ ስራሕን
ኣማኻሪን ዝውሃበሉ ዕድ ል የመቻቹ፣ ክውሃብ ይገብር፣ ኣፈፃፅምኡ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
8. ብተሳትፎ ሕብረተሰብን ብበጀት መንግስትን ዝስራሕን ዝፅገን መንገዲ ይትልም፣
ሓገዝ ቴክኒክ ይህብ፣ ነቲ ስራሕ የተሓባብር፣ ብላ ዕለዋይነት ይመርሕ፣
9. ስራሕ ልምዓት ከተማ ብተሳትፎ ህዝቢ ክካየድ ይገብር፣
10. ብመንግስትን ገባሪ ሰናይ ትካላት ደገፍ ንዝካየድ ፕሮጀክት መፅናዕቲ የካይድ፣
ተግባራውነቱ ይከታተል፣
11. ከተማታት ተኣሳሲረንን ተደጋጊፈን ንቅልጡፍ ምዕባለን ከረጋግፃ የተባብዕ፣ ምችው
ባይታ ይፈጥር፣
ዓንቀፅ 23. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ሃፍቲ ማይ
1. ሃፍቲ ማይ ንምስፍሕፋሕ ማስተር ፕላን ሃፍቲ ማይ ክዳሎ ይገብር፣
2. ልምዓት ሃፍቲ ማይ ንምግፋሕ ዘኽእል ፕሮጀክት ብባዕሉን ካልኦት ኣካላትን ክስርሑ
ይገብር፣
3. ሃፍቲ ማይ፣ ብዝምልከት የፅንዕ፣ መረዳእታ ይእክብ፣ ይትንትን፣ ይውድብ፣ ኣብ
ጥቕሚ ክውዕል ይገብር፣
4.ንመስተን መስኖን ዝውዕል ፕሮጀክት ስራሕቲ መፅናዕቲ ዲዛይንን ይሰርሕ፣ ህንፀት
የካይድ፣ ክካየድ ይገብር፣ ህንፀት ንዘካይዱ ክትትል ይገብር፡፡
5. ልምዓት መስተ ማይን መስኖን የስፋሕፍሕ ብመፅናዕቲ ዝተረጋገፁ ሜላታት
ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ክምዕብሉን ክጋፍሑን ይገብር፣
6. ሃፍቲ ማይ ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ ክከፋፈል ይገብር፣ ምክፍፋሉን ኣብ ጥቕሚ
ምውዓሉን ይቆፃፀር፣
7. ስራሕ ፍቓድ ዘድልዮ ደረጃን ዓይነት ማይ ተንከፍ ስራሕቲ ይፈሊ፣ ፍቓድ ይህብ
ይስርዝ፣
8. መስተ ማይ የስፋፍሕ፣ ክስፋሕፋሕ ይገብር፣ ዲዛይን፣ ህንፀትን ፅገናን መመዘኒ
ብርክታት የውፅእ፣ የተግብር፣ ክትግበር ይገብር፣
9. ኣብ ህንፀትን ሕድሳትን ስራሕቲ ማይ ህዝቢ ዝሳተፈሉ ኣሰራርሓ ይዝርግሕ፣
10. ትካላት ማይ ቐፃልነት ንክህልወን ኮሚቴ ማይ ኣገልግሎት ማይን ክጣየሹን
ክጠናኸሩን ይገብር፣
11. ድሕንነት ሃፍቲ ማይን ትካላት ማይን ይከታተል፣ ሕድሳት ዘድልዮም ክሕደሱ
ይገብር፣
12. ፅሬቱ ዝተሓለወ ዝስተ ማይ ንሕብረተሰብ ክባፃሕ ይገብር፣
13. ስራሕቲ ማይ፣ ሓመድ፣ ኮንክሪትን ካልኦትን ማይ ኮንስትራክሽን ዘገልግሉን
ተዛመድቲ ስራሕትን ላቫራቶሪን ፊልድ ፈተነ ስራሕቲን የካይድ፣ ንተጠቀምቲ
ኣገልግሎት ይህብ ዋጋ ግልጋሎት ይውስን፣ የኽፍል፣
14. ስራሕቲ ማይ ዝምልከት መፅናዕቲ ዕዳጋ የካይድ፣ ግምት ዋጋ ምህንድስና የቕምጥ፣
የተግብር፣
15. ዲዛይን፣ ህንፀትን ፅገናን ፕሮጀክትታት ማይ መስኖ፣ ዲጋታትን ግድባትን መመዘኒ
ብርክታት የውፅእ፣ የስፋፍሕ፣ ክስፋሕፋሕ ይገብር፣ ይሃንፅ፣ ክህነፅ ይገብር፣ ይፅግን
፣ክፅገን ይገብር፣ ባዕሉ ካብ ዘማሓድሮም ወፃኢ ዝኾኑ ፕሮጀክትታት ንዝምልከቶ ኣካል
የረክብ፣ ዝርዝሩ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስተራት ብዘውፀኦ መምርሒ ይውሰን፣
ዓንቀፅ 24. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ፋይናንስ
1. ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕብባር ኣብ ነዊሕ፣ ማእኸላይን ሓፂርን እዋን ዝትግበሩ
ዝተዋደዱ ፕሮግራማትን ፕሮጀክትታትን ክዳለዉ ይገብር፣ ድሕሪ ምፍቃዶም
ተግባራውነቶም ይከታተል፣
2. ካብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዝመፅእ ሓገዝን ልቓሕን ብምትሕብባር
ምስ በጀት ትልሚ ልምዓት ትግራይ ተዋሃሂዱ ኣብ ስራሕ ንክውዕል የመቻቹ፣ የዋድድን
ይከታተልን፣ ተወሳኺ ሓገዝ ንምርካብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ብምቕራፅ ሓገዝ
የተኣኻኽብ፣
3. ኣካላት መንግስቲ ብመሰረት ፖሊሲን ሕግታት ፋይናንስን መንግስቲ ምስርሖም
ይቆፃፀር፣
4. ኣፈፃፅማ ፊስካልን ፋይናንስን ስራሕ መንግስቲ ዘርኢ ዝርዝር መግለፂ ንፕረዚደንት፣
ንቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራትን ብሕጊ ስልጣን ንዝተውሃቦ ኣካል ብእዋኑ የቕርብ፣
5. ኣክስዮናት፣ ዝመሓላለፉን ዘይመሓላለፉን ሰነዳት፣ ገንዘብን ካልኦት ተመሳሰልቲ
ሰነዳትን ገንዘብ መንግስቲ ይሕዝ፣ ይሕሉ፣
6. ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምምኻር ፈፀምቲ ኣካላት ካብ መንግስታዊ ኢንተርኘራይዝ
ብቐጥታ ዕደጋ ክፍፅሙ ይፈቅድ፡፡
7. ምስ ዝተፈላለዩ መንግስታት ዝግበር ክልተኣዊ ቁጠባዊ ትሕብብር ከምኡ እውን
ርክብ ንምፍጣር ዝተጣየሹ ዓለምለኻውን ክፍለ ዓለማውን ትካላት ዝግበር ርክብ
ይመርሕ፣ የተሓባብር፣ ከምዚ ዓይነት ርክብ ኣብ ቁጠባ ትግራይ ዘለዎ ውፅኢት
ይከታተል፣
8. ናይ ዓዲ ውሽጥን ወፃእን ሓገዝን ልቓሕን ገንዘብ የተኣላልሽ፣ ይደራደር፣ ይፍርም
፣ኣፈፃፅምኡ ይከታተል፣ የመሓድር፣
9. በጀት ምንግስቲየዳሉ፣ ብመሰረት ዝተፈቐደ በጀት ክፍሊት ይፍፅም፣ ኣፈፃፅማ በጀት
ይግምግም፣
10. ናይ መንግስቲ በጀት ፣ኣተሓሕዛ ሒሳብ ፣ክፍሊትን ስርዓት ውሽጢ ኦዲትን
ይዝርግሕ፣ ውፅኢታውነቱ ይከታተል፣ ዓለም ለኸ ብርኪ ዝሓለወ በጅት ፣ኣተሓሕዛ
ሒሳብ፣ ክፍሊት ስርዓት ውሽጢ ኦዲት ዝተጠዓዓሙ ምዃኖም የረጋግፅ፣

ዓንቀፅ 25. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ትምህርቲ


1. ዕድሚኡ ንትምህርቲ ዝበፅሐ ኩሉ ትምህርቲ ዝረኽበሉ ሜላ ይሕንፅፅ፣ ኣገልግሎት
ትምህርቲ ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ ምብፅሑ የረጋግፅ፣
2. ብመሰረት ፖሊሲ ትምህርትን ስልጠና ንደረጃ ፅሬት መሰረት ብምግባር ስርዓተ
ትምህርቲ የዳሉ ፣ይትግብርየመሓይሽ፣ ቅድመ ስሩዕ ትምህርቲ፣ ቀዳማይ ብርኪ
ትምህርቲ፣ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ፣ ምሸታዊ ትምህርቲ፣ ፉሉይ ድሌት ትምህርቲ፣
ኣማራፂ መሰረታዊ ትምህርቲ፣ ተግባራዊ ትምህርቲ ንኣባፅሕ ብዝተፈላለየ ኣግባብ
ክሳተፉ ይገብር፣ ይግምግም፣ የፅንዕ፣ ኣብ ስራሕ ምውዓሉ ይከታተል፣
3.ንኣፈፃፅማ ቅድመ ስሩዕ ትምህርቲ፣ ኣማራፂ መሰረታዊ ትምህርቲ፣ ምሸታዊ ትምህርቲ
ተግባራዊ ትምህርት ኣባፅሕ ድጋፍ ይህብ ይከታተል፣ ፅርየቱ ዝተሓለወ ትምህርቲ
ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ፍትሓዊነቱ ሓልዩ ንኩሉ ምዝርግሑ የረጋግፅ፣
4.ዝዳለውን ዝትግበርን ትምህርቲ ሰለጤኑን ፅሬየቱ ዝሓለወ ምዃኑ ይከታተል፣
ይግምግም፣
5. ብመንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላት ንዝጣየሹ ኣፀደ ህፃናት፣ ቀዳማይን
ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብመሰረት እስታንዳርድ ፍቃድ ይህብ፣ ይስርዝ፣
6. ብመሰረት ፖሊሲ ትምህርቲ ብሄራዊ ፈተና የዳሉ፣ክወሃብ ይገብር፣ መሕለፊ ፈተና
ይውስን፣
7.ኣብ ምድላውን ትግበራን ስርዓተ ትምህርቲ ኣድላይ ዝኾነ ቀረብ እታዎት ትምህርትን
ብእኹልን ብዝድለ መጠንን ምብፅሑ ይከታተል፣ ይግምግም፣ ይቆፃፀር፣ የረጋግፅ፣
8.ንምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ የስፋሕፍሕ፣ የማዕብል፣
9. ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ዩኒቨረስትታት ኣድላይ ርክብ ይምስርት፣ ተሓባቢሩ
ይሰርሕ፣
10. ፅሬትት ምህርቲ ንምርግጋፅን ኣብምምሕዳር ኣብያተ ትምህርቲ ንጡፍ ተሳትፎ
ህዝቢ ምህላዉ የረጋግፅ፣
11.ኣብ ትግራይ ዝርከባ መንግስታዊ ኮሌጃት ትምህርቲ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣ውልቀ
ኮሌጃት ትምህርቲ ፍቓድ ይህብ፣ ይከታተል፣ይስርዝ፣
12. መምህራንን ሰብ ሞያ ትምህርትን የሰልጥን፣ ክስልጥኑ ይገብር፣ ብተኸታታሊ
ስልጠና ሞይኦም ዘዕብይሉ መንገዲ ይሕንፅፅ፣ ይትግብር፣
13. ንምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ዝሕግዝ ቴክኖሎጂ የስፋሕፍሕ፣ የማዕብል፣
14. በቢ ብርኪ ትምህርቱ ዝዋሃብ ፈተና ብዝተቐመጠ ስታንዳርድ ምዃኑ ይከታተል፣
ይቆፃፀር፣ ይግምግም፣
15. ንደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናት፣ ኣካል ጉድኣትን ንኡ ስ ብሄረሰባትን ኣብ ትምህርትን
ስልጠናን ክግበር ዝግብኦ ፍሉይ ሓገዝ ኣመልኪቱ ፕሮግራም የዳሉ፣ ኣፈፃፅምኡ
ይከታተል፣ ዝርዝር ኣሰራርሕኡ ብዝወፅእ መምርሒ ይውሰን፣
16. ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅን ኣብ ምምሕዳር ኣብያተ ትምህርቲ ህዝቢ ንጡፍ ተሳትፎ
ንክሕልዎ ይገብር፣
17. ድሕሪ ምጥንቓቕ ማእኸለዎትን ላዕለዎትን ትካላት ትምህርቲ ፈተና ብምድላው ምዘና
ብቕዓት ሞያ ክወስዱ ይገብርን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሩ ይሰርሕን

ዓንቀፅ 26. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ሓለዋ ጥዕና፣


1. መንግስታዊ ትካላት ጥዕና የመሓድር፣ ይመርሕ፣ የተሓባብር፣
2. ብርኪ ኣዋሃህባ ኣገልግሎት ጥዕና የውፅእ፣ ብሰብ ሞያ ጥዕና ይትግበር ምህላው
ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
3. ተሳትፎ ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ ምክልኻል ሕማም የካይድ፣
4. ኣብ ሆስፒታላትን ጣብያታት ጥዕናን ን24 ሰዓት ኣገልግሎት ጥዕና ዝወሃበሉ ስርዓት
ይዝርግሕ፣ ኣፈፃፅምኡ ይከታተል፣ ኣድላይስጉምቲ ይወስድ፡፡
5. ኤች ኣይቪ ኤድስን ካኦት ተላበድቲ ሕማማት ንምቁፅፃርን ንምጥፋእን ጠመተሂቡ
ይሰርሕ፣
6. ግልጋሎት ደም ባንኪ ዝህባ ትካላት የጣይሽ፣ ደም ክልግሳ የተሓባብር፣ ይመርሕ፣
7. ግልጋሎት ኣምቡላንስ የማሓድር፣ ይመርሕ፣ ይቆፃፀር፣
8. ኣብ ትግራይ ዘለዉን ክህልዉ ዝኽእሉን ተላበድቲ ሕማማት ብዝምልከት ፈተሸን
ቅድመ መጠንቀቅታን ስራሕቲ ይሰርሕ እንተጋጥም ብህፁፅ ግብረ መልሲ ይህብ፣
9. ኣብ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ዝኾኑ ጠንቒ ጥዕና ሕ/ሰብ ትኩረት ገይሩ
ይሰርሕ፣ ይሕክምን ክንክን ክግበርን ደገፍን ክትትልን ይገብር፣
10. ብሰብ ሃፍቲ ወይ ሰብ ሞያ ንዝጣየሹ ውልቀ ትካል ጥዕና ንብርኮም ዝምጥን ፍቓድ
ይህብ፣ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣ ኣድላይ ኮይኑ እንትርከብ ይእግድ፣ ይስርዝ፣
11. ኣብ ትካላት ጥዕና መስርሕ ምት ብባዕን ተሓታትነትን ብምዝርጋሕ ይሽልም፣
መስተኻኸሊ ስጉምቲ ይወስድ፣
12. ሕ/ሰብ ኣብ ጥዕንኡ ባህሪያዊ ለውጢ ዘረጋግፅ ብቁዕ ኣስተምህሮ ሓለዋ ጥዕና ንክውሃብ
ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት እናቀረፀ ክመሓላለፉ ይገብርን ዓቕሚ ትካላት ክዓቢ ይሰርሕ፣
13. ጥዕና ሕብረተሰብ ንምጉልባት ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ውዳበታት፣
ትካላትን ውልቀ ሰባትን ተሓጋጊዙ ይሰርሕ፣
14. መደባት ግልጋሎት ጥዕና ንምስላጥ ውሽጣዊን ግዳማውን ሃፍቲ የተኣኻኽብ፣ ብመሰረት
ሕጊ ኣብ ስራሕ የውዕል፣
15. ኣብ ትግራይ ዝርከቡን ሓዱሽ ፍቃድ ዝሓቱን ጥዕና ሳይንስ ኮለጃት ኣፍልጦ ይህብ፣
ካብ ደረጃ ንታሕቲ ኮይኖም እንትርከቡ ኣፍልጥኡ ይስርዝ፣
16. ኣብ ትሕቲኡ ዝርከባ ጥዕና ሳይንስ ኮለጃት ይመርሕ፣ የመሓድር ብመሰረት ሕጊ
ዝተውሃበን ስራሕን ሓላፍነትን ምፍፃመን የረጋግፅ
17. ንጥዕና ኮለጃት ጠለብ ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ስሩዕን ዘይስሩዕን ስልጠናታት መርሃ
ግብሪ ትምህርቲ ክዳሎ የተሓባብር፣ ስርዓተ ትምህርቲ ዝዳለወሉ ኣንፈት የነፅር፡፡
18. ብሞያ ጥዕና ኣብ ላዕለዎትን ትካላት ትምህርቲ ተማሂሮም ትምህርቶም ዘጠናቀቁን
ሰብ ሞያ ጥዕና ምዘና ፈተና የዳልው፣ ይፍትን፣ ፍቃድ ይህብ
19. ኣብ ስራሕ ናይ ዝርከቡን ሰብ ሞያ ጥዕና ፍቃድ የሐድስ
ዓንቀፅ 27. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ፍትሒ፣
1. ብመንግስታዊን ዘይመንግስታውን ትካላት፣ ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ሕጊ ዝተኸበረ
ምዃኑ የረጋግፅ፣
2. ገበን ተፈፂሙ ኢሉ እንትኣምን ምፅራይ ክካየድ ይገብር፣ከይዲ ምፅራይ ይመርሕ፣
ይቆፃፀር፣ ኣድላይ ኮይኑ እንትርከብ ዝተጀመረ ምፅራይ የቋርፅ፣ ወይ ተወሳኺ
ምፅራይ የካይድ፣ ክካየድ ይገብር፣
3. ኣብ ዋኒን ገበን ኣብ ስልጣን ዘለዎ ቤት ፍርዲ ይከራኸር፣ ጥቕሚ መንግስትንህዝብን
ንምሕላው ዝተጀመረ ክሲ የልዕል፣ክልዓል ይገብር፣
4. ድሕንነት መሰኻኽርን ጉድኣት ገበንን ይሕሉ፣ክሕሎይገብር፣
5. ጥቕምን መሰልን መንግስቲ ትግራይ ንምኽባር ዋኒናት ፍትሃብሄር ዝምልከት ኣብ
ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ኣብ ዝኾነ ይኹን ዳይነት ሰማዒ ኣካል ክሲ ይምስርት፣ ክምስረት
ይገብር ወይ ጣልቃ ኣትዩ ይከራኸር፣ ወይ ከከምኩነታቱ መልሲ ወሃቢ ኮይኑ
ይቐርብ፣
6. ብመንግስታዊ ቤት ዕዮ ጠለብ ምርቃቕ ሕጊ እንትቐርበሉ ወይ ብባዕሉ ዓርሰ ተበግሶ
ብምፅናዕ ረቂቕ ሕጊ ኣዳልዩ ናብ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት የቕርብ፣
7. ብመዳይ ሕጊ ንመንግስቲ ይውክል፣ኣማኻሪ ሕጊ ኮይኑ ይሰርሕ፣
8. ስርፀት ሕጊ ንምክያድ ዘኽእል ስርዓተ ትምህርቲ ቐሪፁ ኣብ ተግባር የውዕል፣
9. ብመሰረት ሕጊ ምስ ፈፀምቲ ገበን ስራሕቲ ዕርቅን ድርድርን የካይድ፣
10. ዓቃቢ ሕጊ ካብ ኣባልነት ዝኾነ ፖለቲካዊ ውደብ ናፃ ይኸውን፣ ኣብ ስራሕ እናሃለወ
ዝረኽቦ መሃያን ጥቕማ ጥቕምን፣ ብጥሮታ ወይ ብቦርድ ካብ ስራሕ እንትሰናበት
ክሕለወሉ ዝግባእ ጥቕማ ጥቕምን ብደንቢ ይውሰን፣
11. በቢብርኩ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት እዚ ሚኒስትሪ የመሓድር፣ የዋፍር፣ የዛውር፡
ዝርዝር ኣፈፃፀምኡ ብዝወፅእ ደንብን መምርሕን ይውሰን፣
12. ክሲ ተንከፍ ዝኾኑ ስታቲስቲካዊ መረዳእታን ሓበሬታን ይእኽብ፣ ይውድብ፣
ይትንትን፣ ንዝምልከቶ ኣካል የቕርብ፡፡ ንስርሑ ኣድለይቲ ዝኾኑ ካልኦት ስታስቲካዊ
መረዳእታ ይእክብ፣ የዋድድ፣ ስርዓት መረዳእታ ይዝርግሕ፣
13. እሱራት ዝተኣሰርሉ ኩነታት ሕጋውነት ይከታተል፣ ሕጋዊ መሰሎም ዝተሓለው
ምዃኑ የረጋገፅ፣ዝተትሓዙ ሰባት ብእዋኑ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ይገብር፡፡
14. ንዝህቦም ግልጋሎታት ክፍሊት ግልጋሎት የኽፍል፣ዝርዝር ዓይነት ግልጋሎትን
መጠን ክፍሊት ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብዘውፅኦ መምርሒ ይውሰን፣
15. ብቤት ፍርዲ ዝውሃብ መንግስቲ ዝምልከት ውሳነ ኣፈፃፅምኡ ይከታተል፣
16. መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ መንግስታዊ ትካላት ልምዓትን ንባዕሎም እንትከራኸሩ ወይ
እንትካሰሱ እቲ ጉዳይ ብድርድር ክውድኡ ይገብር፣
17. ኣብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዋኒናት ፍትሃ ብሄር ብመሰረት ኣግባብነት ዘለዎ ሕጊ
ግልጋሎት ናፃ ድጋፍ ሕጊ ይህብ፣
18. ኣብ ኣብያተ ፍርዲ እዚ ሃገር ንዝሰርሑ ጠበቓታት ፍቓድ ጥብቅና ይህብ፣ የሕድስ፣
ይእግድ፣ ይስርዝ፣
19. ኣብ ምርግጋፅ ዝተፈላለዩ ሰነዳት፣ ምፅዳቕን ምምዝጋብን ዝተፈላለዩ ስምምዓት
ተመስሪቱ ግልጋሎት ውዕልን ማሕበራዊ ዋኒናትን ይህብ፣ ዘይመትረፍቲ ማሕበራት
ይምዝግብ፣ ፍቃድ ይህብ፣ ይስርዝ፣ ይቆፃፀር፣ ዝርዝሩ ሚኒስትሪ ብዘውፀኦ መምርሒ
ይውሰን፣
20. ብዘይኣግባብ ተረጋጊፁ ዝተመዝገበ ሰነድ እንትህሉ ኣጊዱ ይፀንሕ ፣
21. ምዝገባ ሕጋዊ ሰብነት ንግዲ ማሕበራት የካይድ፤ የፅድቕ፤ ይስርዝ፤
22. ምምሕያሽ ሕጋዊ ሰብነት ወይ ቃለ ጉባኤ ንግዲ ማሕበራት መርሚሩ ይምዝግብ
የፀድቕ ይስርዝ፤
23. ሰነድ መሸጣ ዘይንቀሳቐስ ንብረትን ፍሉይ ዝንቀሳቐስ ንብረትን መርሚሩ ይምዝግብ፤
የፀድቐ፤ መረዳእታ ይህብ፤
24. ሰነዳት ውህብቶ ወይ ኑዛዜ ይምርምር፤ ይምዝግብ የፅድቕ፤ መረዳእታ ይህብ ፤
25. ካብ ዝተዓቀበ ሰነድ ሕቶ መረዳእታ ይውሃበኒ ይቕበል፤ ሕጋውነቱ መርሚሩ መረዳእታ
ይህብ ፤
ዓንቀፅ 28. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ሲቪል ሰርቪስ፣
1. ኣገባብ ኣወዳድባ ኣብያተዕዮ መንግስትን ኣጠቓቕማ ሓይሊ ሰብን ይግምግም፣
መማሓየሺ ሓሳብ የቕርብ፣ እንትፍቀድ ኣብ ስራሕ ምውዓሉ የረጋግፅ፣
2. ንመደባት ስራሕ ሲቪል ሰርቪስ ዘድልዩ ሓፈሻዊ መመዘንታት ትምህርቲ፣ ዓይነት
ስልጠናን ልምዲ ስራሕን የዳሉ፣ ኣብ ስራሕ የዉዕል፣
3. ኣብ ቤት ዕዮ መንግስቲ ዝካየድ ቁፃር፣ ብርኪ ዕብየት ፣ዝውውር፣ ድልድል፣
ስልጠናን ዲሲፕሊንን ሰራሕተኛ መንግስቲ ብመሰረት ሕጊ ሲቪል ሰርቪስ
ይፍፀሙ ምህላዉ ይቆፃፀር፣ ግድፈት ኣሰራርሓ እንትፍፀም መአረምታ ስጉምቲ
ይወስድ ይእርም፣
4. ዝርዝር መመዘኒ ውፅኢት ኣፈፃፅማ ስራሕ ሰራሕተኛ መንግስቲ የዳሉ፣ ኣብ
ስራሕ የዉዕል፣ ተፈፃሚነቱ ይከታተል፣
5. ስራሕቲ ምዕባለ ሓይሊሰብ ብላዕላዋይነት ይመርሕ፣ የተሓባብር፣ ተፈፃምነቱ
ይከታተል፣
6. ሰራሕተኛ መንግስቲ ብኽእለት ምንኣስ ምክንያት ካብ ስራሕ ንምስንባት ወይ ካብ
ናይ ጡረታ ዕድመ ንላዕሊ ግልጋሎት ንክናዋሕ ኣብ ዝቐርብ ሕቶ ብመሰረት ሕጊ
ናይ መወዳእታ ውሳነ ይህብ፣ ዝርዝሩ ብደንቢ ይውሰን፣
7. ብፍሉይ ሕጊ ካብ ዝመሓደሩ ሰራሕተኛ ወፃኢ ዘለዉ ሰራሕተኛን ሹመኛን
መንግስቲ ጥቕማ ጥቕምን ካልእ ተዛማዲ ክፍሊትን ኣፅኒዑ ንቤት ምኽሪ ካቢኔ
ሚኒስትራት የቕርብ እንትውሰን ንተግባራዊነቱ ይሰርሕ፣
8. ብሹመትን ብስርዓት ሜሪትን ክትሓዙ ዝግብኦም መደባት ስራሕ ኣፅኒዑ ናብ
ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት የቕርብ፣ እንትውሰን ንተግባራዊነቱ ይሰርሕ፣
9. መረዳእታ ሰራሕተኛ መንግስቲ ይሕዝ፣ ይትንትን፣ ኣድላይ ኣብ ዝኾነ ግዘ ናብ
ዝምልከቶ ኣካል የቕርብ፣
10. ኣብ ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ዝካየድ ስራሕቲ ምምሕዳር ሓይሊሰብን ግድፈት
ዲስፕሊንን ኣመልኪቱ ዝልዓል ቅሬታን ጥርዓንን ፍረነገር ብዝምልከት ናይ
መወዳእታ ውሳነ ይህብ፣ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኣብ ቀረብኡ፣ ብውሕድ ወፃእን ኣብ
ዝሓፀረ እዋንን ፍታሕ ዝረኽበሉ ስርዓት የተኣታትው፣
11. ንሲቪል ሰርቪስ ዘገልግሉ ስኬላት ማሃያ፣ ዝተፈላለዩ ኣበላትን ጥቕማ ጥቕምን
እና ፅነዐ ንቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚነስትራት የቕርብ እንትፍቀድ ኣብ ስራሕ
ምውዓሉ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
12. ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ዘፈር መንግስቲ የተሓባብር፣ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዘፈር
መንግስቲ ብቐፃልነት ዝመሓየሸሉ ስልቲ ይቕይስ፣ ተግባራዊነቱ
ይከታተል፣ይግምግም
13. ስርዓት ዘይምእኹል ምምሕዳር የረጋግፅ፣
14. ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ንምምሕያሽ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት፣ ኣንፈታትን
መፅናዕትታትን ምስ ጭቡጥ ኩነታት ተጠዓዒሞም ክትግበሩ ይገብር፣ የተሓባብር፣
ይድግፍ፣ተግባራውነቱ ይከታተል፣
15. መንቀሊ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር በቢእዋኑ እንዳፅነዐ መፍትሒ ሓሳብ
የቕርብ፣ ሰናይ ምምሕዳር ክሰፍንን ዘላቕነት ክህልዎን ኩነታት የመመቻቹ፣
ንተግባራውነቱ ይከታተል፣
16. ሕጊታት ሲቪል ሰርቪስ ብትኽክል ኣብ ስራሕ ምዉዓሎም ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
ግድፈት እንትህሉ ብመሰረት ሕጊ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ይወስድ፣

ዓንቀፅ 29.ሚኒስትሪ ተጠቃምነት ሕብረተሰብን ማዕርነት ፆታን


1. መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ኣካላት ሕብረተሰብ ፈጠርቲ ስራሕ ክኾኑ
የለዓዕል፣ ይውድብ፣ ኣብ ዝደለይዎ ስራሕ ክዋፈሩ ዘኽእል ስልጠና፣ ልቓሕን፣
መስርሒ ቦታን ካልእ ድጋፍ ንክረኽቡ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብሓባር ይሰርሕ፣
ስራሕቲ ምዕባይ ዓቕሚ ይሰርሕ፣
2. መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ኣካላት ሕብረተሰብ ኣብስራሕ ምስ ተዋፈሩ
በብእዋኑ ንዝገጥሞም ፀገም መፍትሒ ሓሳባት የቕርብ፣ የተሓባብር፣
3. ፖሊሲ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ኣካላት ሕብረተሰብን ነዚ ንምትግባር
ዝተሓንፀፀ ሕግን ኣሰራርሓን ውኢታዊ ብዝኾነ መንገዲ ይትግብር፣
4. ኣብ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ኣካላት ሕብረተሰብ ብፅቡቕ ስብእና ዝተሃነፀ
ዜጋ ንምፍራይ ዘኽእል ሜላ ይሕንፅፅን የተግብርን፣
5. ኣብ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ኣካላት ሕብረተሰብ ብብርኪ ትግራይ ዝወፀ
ፖሊሲን መምርሒን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ኣብ ዝርከብ መንግስታዊን
ዘይመንግስታውን መሓውር ተግባራዊ ክኾኑ ኣድላይ ደገፍን ክትትልን ይገብር፣
6. መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ካልኦት ኣካላት ሕብረተሰብ ትግራይ መትከላት
ሕገመንግስቲ መሰረት ብምግባር ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ማሕበራውን ባህላውን
ልምዓት ንጡፍ ተራ ንክፃወቱን ንህንፀት ዲሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ዝግበኦ
እጃም ከወፍዩ የለዓዕል፣ ይውድብን ሙያዊ ድጋፍ ይህብን፣
7. ኩለመዳያዊ ሰብእና መናእሰይ ንምህናፅ ዝሕግዙ ተግባራትይፍፅም፣
8. ኣብ ድሌት ዝተደረኸ ውዳበታት ማሕበረሰብ የጣይሽ፣ የጠናኽርን፣
9. ኣወዳድባ ትምረት ማህበረሰብ ይምዝግብ ሕጋዊ ሰብነት ይህብ፣
10. ኣብ ማሕበራዊ ድሕንነት ንዝተዋፈሩ ዘይመንግስታዊ ትካላት ይከታተል፣ ዘቕርብዎ
ፕሮጀክት መርሚሩ የፅድቕ፣ ስምምዕነት ይፈራረም፣ ተግባራውነቶም ይከታተል፣
ይቆፃፀር፣ ኣድላይ እንተኮይኑ ይእግድ፣ ይስርዝ፡፡
11. ብውዳበ ጥምረት ማሕበረሰብ ዝውሃብ ግልጋሎት ብርኪ የውፅእ፣
12. ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከብ ክፋል ሕብረተሰብ እግሪ ንምትካል ካብ መንግስትን
ዘይመንግስታዊ ትካላትን ሕብረተሰብ ሓገዝ የተኣኻኽብ፣ ዝተኣከበ ሓገዝ ብሕጊ
ፋይናንስ መሰረት ኣብ ስራሕ የውዕል፣
13. ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕብባር ብዛዕባ ቤተሰብ፣ ህፃናት፣ ኣካል ጉድኣትን
ኣረጋውያን ትግራይ ዝተቐበለቶም ዓለምለኸውዕላ ት ፣ ከምኡ’ውን ነዚኦም ሲዒቡ
ዝወፀፖሊሲ፣ ስትራተጂ፣ ሕግን መርሃግብርን የፋልጥ፣ ተግባራዊነቱ ይከታተል፣
14. ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕብባር መሰል ህፃናት ንክረጋገፅ ይገብር፣ ኣድላይ
ሕጊ ንክወፅእ ንዝምልከቶ ኣካል የቕርብ፣ ምስወፀ ኣፈፃፅምኦም ይከታተል፣
15. ኣግባብ ምስ ዘለዎ ኣካል ብምትሕብባር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ሕብረተሰባዊ
ክፋል ንምሕጋዝን እግሪ ንምትካልን ዘኽእል መደብ ይሕንፅፅ፣ ተግባራዊ
ይገብር፣ተግባራዊ ክከውን ይገብር፣
16. ኣግባብ ምስ ዘለዎ ኣካል ብምትሕብባር ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከባ ደቂ
ኣንስትዮ መራሕቲ ስድራ፣ ነብሰን ሸይጠን ዝሓድራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ልመና
ንዝተዋፈሩ ማሕበራውን ቁጠባውን ዓቕሞም ንምዕባይ ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት
ይዝርግሕ፣ ባይታየመቻቹየተሓባብር፣ ይከታተል፣
17. ኣግባብ ምስ ዘለዎ ኣካል ብምትሕብባር ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ጠንቅታት
ዝተቓልዑ ክፋል ሕብረተሰብ ኣድላይ ስነ- ልቦናዊ ምኽሪ፣ ሞያዊ ስልጠና፣
መትከሊ እግሪ ንክረኽቡ የመቻቹ፣ የተሓባብር፣ ይከታተል፣
18. ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕብባር ኣብ ልዕሊ ህፃናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝበፅሑ
ዝተፈላለዩ ዓይነት ጥቕዓታት ንምክልኻል ኣስተምህሮ ይህብ፣ ገበነኛታት ግቡእ
ፍርዲ ንክረኽቡ ይሰርሕ፣ ጥቕዓት ዝበፅሖም ህፃናት፣ ደቂ ኣነስትዮን ጉዱኣት ኣካልን
ስነ-ልቦናዊ ምኽሪ ብምሃብ ናብ ስሩዕ ህይወት ዝምለስሉ ኩነታት የመቻቹ፣
19. ኣግባብ ምስዘለዎ ኣካል ብምትሕብባር ኣብ ትግራይ ዝስርሑ ህንፃታት፣ መንገዲታት፣
መዘናግዒ ቦታታት፣ ኣደባባያት፣ ንኣካል ጉድኣት ምንቅስቓስ ዘይዓግቱን ምችዊ
ንክኾኑ ይከታተል፣
20. ኣግባብ ምስ ዘለዎ ኣካል ብምትሕብባር ፕላን ከተማታት ዕብየት እንትዳለው
ንመናእሰይ፣ ኣረጋውያንን፣ ኣካል ጉድኣትን ህፃናትን መዘናግዒ ቦታታት ዝሓዘን
ምችውነት ዘለዎን ንክኸውን ይሰርሕ፣ ተግባራዊነቱ ይከታተል፣
21. ማዕረ ተሳታፍነትን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ብመሰረት ድሌትን
ብሞያ ክውደባ ይገብር፣
22. ማዕረ ተሳታፍነትን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅ ዘኽእል
መፈፀሚ መምርሒየዳሉ፣ተግባራዊነቱይከታተል፣
23. ዱሑር ኣተሓሳስባን ጎዳኢ ልምድን ምውጋድን ፅዕንቶ ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ ክቃለል
ይሰርሕ፣
24. ደቂ ኣንስትዮ፣ መናእሰይ፣ ህፃናትን ማሕበራዊ ፀገም ዘለዎም ኣካላት ሕብረተሰብ
ዝምልከት ሓበሬታን መረዳእታን የዋድድ፣ ይትንትን፣ ይውድብ፣ ንተጠቃሚ
ድልዊ ይገብር፣
25. ኣብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካል ዝካየድ ቁፃር፣ ስልጠና፣ ሽመት፣ ተሳትፎ
መና እሰይ ፣ ደቂ ኣንስትዮን ጉድኣት ኣካልንዘለዎ ምዃኑ ይከታተል፣ ይግምግም፣
ሓገዝን ደገፍን ይገብር፣
26. ኣብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ትልሚ፣ ፕሮጀክት፣ መደባት ፆታ
ተኮር ንኽኸውን መፈፀሚ መምርሕን መዐቀንን ኣዳልዩ ክትግበር ይገብር፣ ክትትልን
ድጋፍን የካይድ፣
27. ኣብ መበገስን ሳዕቤንን ስደት መናእሰይ መፅናዕቲ የካይድ፣ መፍትሒ ሓሳብ የነፅር፣
ንዝምልከቶ ኣካል የቕርብ፣
28. መንአሰይ ምስ ባህሊ ሃገሩን ብሄረሰቡን ክላለን ክርዳአን ዘኽአል ሜላ ይሕንፅፅ፣ ናይ
ክልሉ ባህሊ ከጎልብት የለዓዕልን ናይቲ መንአሰይ ኩለመዳያዊ ሰብእና ንምህናፅ
ዝሕግዙ ተግባራት ይፍፅም፣
29. መንአሰይን ደ/ኣን ካልኦት ክፋላት ሕ/ሰብን መሰረት ዝገበረ መፅናዕቲ የካይድን
የተሓባብርን፣ዝተረኸበ ውፅኢት መፅናዕቲ ናብ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት የካፍልን፣
30. ዘይሕጋዊ ስደት መናእሰይ ይቆፃፀር ፣ ይድግፍ ፣ ይከታተን ዓቕሚ ናይ ምዕባይ
ስራሕቲ ይሰርሕን ፤ ዘይሕጋዊ ስደት ዘጋፍሑ ደለልቲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት
ብምትሕብባር ስጉምቲ ክውሰዶም ይገብር ፣
31. ኣብ ምግፋሕን ምህናፅን ስብእና መናእሰይ ማእኸላት ኣድሂቡ ምስ ዝምልከቶም
ኣካላት ብምዃን ክህነፅን ኣድላይ ዘበለ እታዎታት ክማልእሉን ደረጅኡ ዝሓለወ
ክኸውን ደገፍን ክትትልን ይገብር ፣
32. ኣብ ምትእትታው ስርዓተ ፆታን ህፃናትን መናእሰይ ኣድሂቦም ንታሕተዎት
መሓውር ፣ መዳርግቲ ኣካላትን ውዳበታት ሕብረተሰብን ዓቕሚ መዕበይ ስልጠና
ይህብ፣
33. ንዘይሕጋዊ ስደት ተመለስቲ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ብምቕራፅ ወይ ባዕሎም
ቀሪፆም ዝመፅእሉ ኣብ ስራሕ ዝዋፈርሉ ኩነታት ምምችቻውን ክትትልን ደገፍን
ምክያድ፣
34. ኣብ ግልጋሎት ሰናይ ተበግሶ ኣድላይነት ማእክል ዝገበረ ግንዛበ ናይ ምዕባይ
ስራሕቲ ብምስራሕን ኣብዚ ማእክል ጌሮም ሓገዝ ገንዘብን ማተርያልን ኣተኣካኪቦም
ኣብ ፀገም ዝርከቡ ክፋል ሕብረተሰብ ሓገዝ ዝህቡ ውልቀ ሰባት፣ ጉጅለታትን ፍቃድ
ይህብ ፣ ተግባራውነቱ ይከታተልን ፍቃድ ይስርዝን ዝብል ይወሰኮ፡፡
35. ኩሉ መዳይ ተሳትፎን ተጠቃምነትን መናእሰይን ደ/ኣን መሰረት ጌሮም ኣብ ዝስርሑ
ስራሕቲ ክትትልን ገምጋምን የካይድ፣፣

ዓንቀፅ 30. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ርክብ ህዝብን መንግስትን


1. ኣብ ፖሊሲን ስትራተጂን መንግስትን ካልእ ሓበራዊ ዛዕባን ምርድዳእ ብምፍጣር
ሓበራዊ ኣተሓሳስባን ግንዛበን ክህሉ ይሰርሕ፣ ግንዛበ ንምጭባጥን ግልፅነት
ንምፍጣርን ዝሕግዝ ዘተ የዳሉ፣ የተሓባብር፣
2. ህንፀት ዓቕሚ ሰብ ሞያ ርክብ ህዝቢ ቤት ዕዮን ጋዜጠኛታት መንግስታዊ መራኸቢ
ሓፋሽን የካይድ፣ ሓፈሻዊ ኣንፈት ኣወፋፍራን ምዕባለን ይውስን፣ ይመርሕ፣
3. ንዕብየትን ብዙሕነትን ሚድያ የተባብዕ፣ ሚድያ ምስ መንግስትን ህዝብን ዝህልዎ
ርክብ ስራሕ የተሓባብር፣
4. ሕቶ ህዝቢ ብዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ መልሲ ክወሃቦ ይሰርሕ፣ ቀንዲ ፍፃመን
ኩነትን መንግስቲ ግቡእ ሽፋን ሚዲያ ዝረኽብሉ ኩነታት የመዓራሪ፣
5. ውፅኢት ስራሕቲ ሚዲያ ይከታተል፣ እዋናዊ ርኢቶ ህዝቢ ይእክብ፣ ውፅኢቱ
ኣሰናዲኡን ተንቲኑን ንዝምልከቶ ኣካል ይዝርግሕ፣ ተግባራውነቱ ይከታተል፣
6. ኣብ ዝተመረፀን ዓብይን ርእሰ ጉዳይ ዝተፈላለየ ምህርቲ ሕትመት፣ ኦዲዮን ቪድዮን
የፍሪ፣ ቤት ዕዮ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ኣብ ዝኾነ ስራሕቲ ፎቶግራፍ፣ ኦዲዮን ቪድዮን
ቀረፃ ኣርማን ከምኡ’ውን ቀረፃ ዲዛይን ሕትመትን ክስረሐሉ እንትሓትት ግልጋሎት
ምኽሪ ይህብ፣
7. መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ይኸፍት፣ በቢእዋኑ ዝርከብ መረዳእታ፣ ብመንግስቲ
ዝተሰርሐ ስራሕን ኣፈፃፅማን ንዝምልከቶ ክበፅሕ ይገብር፣ ይከታተል፣
8. ፅቡቕ ምስሊ ትግራይ ብኣወንታ ንምህናፅ ዝሕግዙ ስራሕቲ ርክብ ህዝቢ ይሰርሕ፣
ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሩ ይሰርሕ፣
9. ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ፣ ዝተመረፀ፣ ብሉፅ ተመኩሮ ክጋፋሕ ዘኽእል ኩነታት የመቻቹ፣
የተሓባብር፣ ይመርሕ፣ ዝርዝር ኣፈፃፅምኡ ብዝወፅእ መምርሒ ይውሰን፣
10. ስራሕቲ ርክብ ህዝብን ሚድያን ብዝምልከት ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን
ኣካላት ኣብ ሓበራዊ ድሌትን ረብሓን ዝተመስረተ ስርዓት ምትሕግጋዝ ይፈጥር፣
11. ድንጋገ መረዳእታን ናፃነት መራኸቢ ሓፋሽን ብዝምልከት ዝወፅኡ ሕግታት ብቤት
ዕዮ ይኽበር ምህላዉ ንምርግጋፅ ኣብ ሕድሕድ ቤት ዕዮ ዘሎ በዓል ሞያ ርክብ
ህዝቢ ስራሕን ሓላፍነቱን ይዋፅፃእ ዘሎ ምዃኑ ይቆፃፀር፣ ይድግፍ፣
ዓንቀፅ 31. ሚኒስትሪ ሰላምን ምክልኻል ገበንን
1. እዚ ሚኒስትሪ ዝስዕብ ስልጣንን ተግባርን ይህልዎ፣
ሀ. ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ይሕሉ፣ ውሑስ ክኸውን ይሰርሕ፣
ለ. ሰላምን ድሕንነትን ህዝብ ብተሳትፎ ህዝቢ ንኽረጋገፅ ይሰርሕ፣
ሐ. ኣብ ዋኒን ድሕንነትን ፀጥታን ህዝቢ ምስዝሰርሑ ኣግባብነት ዘለዎም ኣካላት
ሓቢሩ ንምስራሕ ዘኽእሎ ርክብ ይምስርት፣
መ. ዘይምርድዳእን ጎንፅታትን ብሰላማዊ መንገዲ ክፍትሑ ይሰርሕ፣
2. ንኡስ ዓንቀፅ (1) እዚ ዓንቀፅ ሕሉው ኮይኑ ኮሚሽን ኣብያተ ህንፀት፣ ኮምሽን
ፖሊስን ቤት ፅሕፈት ሚልሻን ነዚ ሚኒስትሪ ተፀዋዕቲ ይኾኑ፣
ዓንቀፅ 32. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን
1. ሕብረተሰብ ኣብ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጅን ምክልኻል ጨረርን ዘለዎ ግንዛበን
ተጠቃምነትን ንክዓቢ ምችው ብዝኾነ ሜላ መራኸቢ ግልጋሎት ሓበሬታ ክዓቢ
ይገብር፣
2. ኣብ ሞንጎ ኣብያተ ዕዮ ስሉጥ፣ ወፃኢ ቆጣቢ፣ ድሕንነቱ ዝተሓለወን ዝተዋደደን
ፍሰትን ልውውጥን ሓበሬታ ንክህሉ ስርዓት ይዝርግሕ፣ ድጋፍ ይገብር፣ ብተመሳሳሊ
ንሕብረተሰብ ዝበፅሐሉ ኣገባብ ክህሉ ይሰርሕ፣ ንዝምልከቶም ድጋፍ ይገብር፣

3. ስራሕቲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን፣ ፓርክ፣ ቤተ-ፈተነ፣ ድጅታል ቤተ-


መፅሓፍቲ፣ ካፌ፣ ሙዜምን ማእከል ኢንኩቤሽንን ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን
ትግራይ ይሃንፅ ክህነፅ፣ ይገብር፣ ንልምዓት ትግራይ ብዘቀላጥፍ መንገዲ ይመርሕ፣
ዝርዝሩ ብደንቢ ይውሰን፣
4. ስራሕቲ ኢኖቬሽንን የካይድ፣ ክካየዱ ይገብር ንድፊ/ፕሮቶ ታይፕ/ ክወፅእ ይገብር፣
ውፅኢቱ ተበፃሒ ንክኸውን ይገብር፣
5. ኢ-ሳይንስ ትግራይ ንምልማዕን ኣብ ረብሓ ንምውዓልን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት
ብሓባር ይሰርሕ፣ ይድግፍ፣
6. ፅሬትን ድሕንነትን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂን ርክብ ሓበሬታን /ሳይበር ሴኩሪቲ/
ዝተሓለወ ክኸውን ይሰርሕን የተሓባብርን፣
7. ኣብ ትግራይ ፍሉይ ተውህቦን ክእለትን ዘለዎ ሰብ ብኣገባቡ ንምሕራይ፣
ንምስልጣንን ንምድጋፍን ዘኽእል ሳይንሳዊ መስርሕ ይዝርግሕ ተግባራዊ ይገብር፣
ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
8. ፍሉይ ተውህቦ ክእለትን ዘለዎ ሰብን ዝለዓለ ውፅኢት ፈተና ቅድመ ዩኒቨርሲቲ
ዝረኸቡ ብሉፃት ተምሃሮ ትግራይን ዝመሃሩሉ ፍሉይ ዩኒቨርሲቲ ትግራይ ንምጥያሽ ምስ
ዝምልከቶ ኣካል ብሓባር ይሰርሕ፣
9. ንዕብየት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ፣ ንተመራመርቲ፣ ንመሃዝቲ፣ ንተለምቲ፣
ንስግግር ቴክኖሎጂ፣ ንምርምርን ምዕባለን ዝውዕሉ ዝተወደቡን ዝተተንተኑን መረዳእታ
ሳይንስን ቴክኖሎጅን መስርሕ ብዝተኸተለ መንገዲ ንተጠቀምቲ የዳሉ፣
10. ብመዳይ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ምህዞን ኣብ መንጎ ኢንዱስትሪታት፣ ዩኒቨርሲቲታት፣
ትካላት ምርምር፣ ቴክኒክን ሞያን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ምትእስሳርን
ምትሕብባርን ክፍጠር ይሰርሕ፤
11. ንዕብየትን ልምዓትን ሳይንስን ቴክኖሎጂን ጠቐምቲ ዝኾኑ ብተመራመርትን
መሃዝትን ዝተፈጠሩ ብተግባር ዝተፈተኑ ቴክኖሎጂ ወፃኢ ዓዲ ብምሕራይ፣
ብምምዝጋብ፣ ብምቕዳሕ፤ ብምልማድን ብምጥቃምን ንረብሓ ሕብረተሰብ ክውዕል
ንምግባር ይሰርሕ፣ ይድግፍ፣ ይመርሕ፣
12. ኣብ ትግራይ ዝግበሩ ምርምራት ሳይንስን ቴክኖሎጅን መትከላት ስነ ምግባር
ዝሓለዉ ምዃኖም ይከታተል፣ ይድግፍ፣ ብዝውፅእ ደንቢ ብቕዓት መረጋገፂ ይህብ፤
ጉድለት ስነ-ምግባር እንተጋጥም ሕጋዊ ስጉምቲ ይወስድ፣
13. ኣብ ትግራይ ዝፍጠር ኣእምሮኣዊ ሃፍቲ የለሊ፣ ይምዝግብ፣ ወረቐት ምስክር ዋንነት
ይህብ፣ መሰል ዋንነት ዝፍጠረሉን ኣብ ረብሓ ዝውዕለሉን ምቹው ኩነታት ይፈጥር፣
14. ማሕበረሰባዊ ፍልጠታት ብሳይንሳዊ መንገዲ ብምፅናዕ ኣብ ረብሓ ክውዕሉን
ብኣግባቡ ንክተሓዙን ይሰርሕ፣
15. ንምዕባለ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጅን ምህዞን ግደ ዘለዎም ትካላት ምርምርን ስርፀትን፣
ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ይድግፍ፣ የበረታትዕ፣ ዝርዝሩ ብዝወፅእ መምርሒ ይውሰን፣
16. ኣብ ትግራይ ዝርከብ መሃዝን ተማራማርን ብዘምፀኦ ውፅኢት ሕብረተሰባዊ ረብሓ
ተራእዩ ብሕጊ ስልጣን ምስ ዝተውሃቦ ኣገባብነት ዘለዎ ኣካል ብምርድዳእ ውሕስና
ልቓሕ ዝረኽበሉ ስርዓት ክዝርጋሕ ይገብር፣ ዝርዝሩ ብደንቢ ይውሰን፣
17. ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ምስዝርከቡ ዝተፈላለየ ሞያ ዘለዎም ምሁራትን ትካላትን
ኣብ ስራሕቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ብሓባር ይሰርሕ፤ ከም ኣድላይነቱ ዓለም ለኻዊ
ልውውጥ ተመኩሮ የካይድ፣
18. ኣጠቓቕማን ቀፃሊ ግልጋሎትን ኣብስራሕ ዝርከቡ ሳይንሳዊ መሳርሕታትን ንርክብ
ሓበሬታን ድሕንነቶምን ዝውዕሉ ናውትን ሶፍትዌራትን ኣብያተ ዕዮ የፅንዕ፣ ሓበሬታ
ይህብ፣ የሰልጥን፣ ከም ኣድላይነቱ ምስ ዕቤት ቴክኖሎጂ በቢእዋኑ ክመሓየሹ፣ ክትክኡ፣
እዋን መጥቀሚ ግልጋሎቶም እንተብቅዕ ብኣገባቡ ክውገዱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት
ሓቢሩ ይሰርሕ፣
19. ኣብ መሳርሒ ሳይንስ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን መፅናዕቲ የካይድ፣ የማኽር፣ ስልጠና
ይህብ፣ ተሞኩሮ ይለዋወጥ፣ ፅገና የካይድ፣ ዝርዝሩ ቤት ምኽሪ ካቢነ ሚኒስትራት
ብዘውፀኦ ደንቢ ይውሰን፣
20. ስራሕቲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ንሕብረተ-ሰብን ሓለዋ ስነ-ከባብን ብዘይጎድእ
ምፍፃሞም ይከታተል፣
21. ኣብ ከይዲ ምህርቲ ዘጋጥም ብኽነት ንምውጋድን ፅሬት ምህርቲ ንምርግጋፅን
ዘኽእል መሰረተ ልምዓት ፅሬት ኣሰራርሓ ይዝርግሕ፣ ይድግፍ፣ ይከታተል ይቆፃፀር፣
22. ስርዓተ-ትምህርቲ ትግራይ ብመንፅር ፈጠራን ቴክኖሎጂን ዝተቓነየ ምዃኑ
ንምርግጋፅ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ይሰርሕ፣
23. ፈንድ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ትግራይ ክህሉ ይገብር፣ እዚ ፈንድን
ውሽጣዊ ኣታዊኡን ንዝለዓለ ውፅኢታውነት ስራሕትን መሳርሕን ሳይንስ፣
ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ትግራይ የውዕል፣ ዝርዝሩ ብደንቢ ይውሰን፣
24. ስራሕቲ ምክልኻል ጨረር ይትግብር፣ ክትግበር ይገብር፣ የመሓድር፣ ዝርዝሩ ብደንቢ
ይውሰን፣
25. ብኽነት ምህርቲ ኢንደስትሪ ንምውጋድ ዘኽእል መፅናዕትን ምርምርን ምስ ዝምልከቶ
ኣካል የካይድ፣ ክካየድ ይገብር፣ ስራሕቲ ስርፀት የካይድ፣ ክካየድ ይገብር፣
26. ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምዃን ኣብ ስራሕቲ ምክልኻል ጨረር መፅናዕትን ምርምርን
የካይድ፣ ክካየድ ይገብር፣ ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን
ምርምርን ብምትሕብባር ቤተ ፈተነ ምክልኻል ጨረር የጣይሽ ይትግብር፣
27. ኣብ ዝኾነ እዋን ጨረር ሓደጋ ከብፅሕ ዝኽእለሉ ኩነታት ምህላዉ እንትኣምን ምስ
ዝምልከቶ ኣካል ብምዃን ሽዑ ንሽዑ ዝግባእ ምፅራይ የካይድ፣ ክካየድ ይገብር፣
ኣግባብነት ንዘለዎ ኣካል ሓበሬታን መረዳእታን ይህብ፣ መፍትሒ ስጉምቲ ይወስድ፣
ክውሰድ ይገብር፣ ዝርዝሩ ብደንቢ ይውሰን፤
28. ኣብ ትግራይ ዘበናዊ ወይ ሳይንሳዊ መዐቀኒ ብዝግባእ ክልመድን ኣብ ስራሕ ዝርከብ
ባህላዊ መሳርሒ ዓቐን ዘበናዊ ክኸውንን ይሰርሕ፣
29. ደንቢ ሰራሕተኛታት ብምድላው ብቤት ምኽሪ ካቢነ ምንስትራት እንትፀድቕ ኣብ
ስራሕ የውዕል፣

ዓንቀፅ 33. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ


1. እዚ ሚኒስትሪ ዝስዕብ ስልጣንን ተግባርን ይህልዎ፣
ሀ. ሉኣላውነት ግዝኣት ትግራይ የኽብር፣ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ይሕሉ፣
ለ. ኣብ እዋን ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ዝወሃቦ ተግባር ይፍፅም፣
ሐ. ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ሓደጋ እንተጋጥም ሕብረተሰብ ካብ ሓደጋ
ንምክልኻል ዘኽእሉ ተግባራት ይሰርሕ፣
መ. ኣብ እዋን ክተት ሃፍቲ ብዝተዋደደ ኣገባብ ኣብ ረብሓ ዝውዕለሉ ኩነታት
ብምፅናዕ ክውሰን ይገብር፣ ኣፈፃፅማኡ ይቆፃፀር፣
ረ. ሰራዊት ምክኻል የጣይሽ፣ የዕጥቅ፣ ይቆፃፀር ብቕዓት ውትህድርና የረጋግፅ፣
ሰ. ማእኸላት መሰልጠኒ ውትህድርና የጣይሽ፣ ይውድብ፣
ሸ. ወተሃደራዊ ሰፈርን ንሰራዊት ዘድሊ መንበሪ ኣባትን ይሰርሕ የስርሕ፣
ቀ. ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ሚዛናዊ ተዋፅኦ ብሄር ብሄረሰባት ትግራይ ዘካተተ
ምዃኑ የረጋግፅ፣
በ. ሓላፍነቱ ሕገ-መንግስታዊ ብዝኾነ መንገድን ካብ ዝኾነ ውድብ ፖለቲካ
ወገናውነት ዘይሻራዊ ብዝኾነ መንገዲ ምፍፃሙ የረጋግፅ፣
ተ. ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ልምዓት ክሳተፉ ይገብር፣ ኣብ ስራሕቲ ልምዓት
የሳትፍ፣ ዝርዝሩ ደንቢ ይውሰን፣
ቸ. ወታደራዊ ምልመላ፣ ስልጠና፣ ማዓርግ፣ ጡረታ፣ ቦርድ ዝምልከት ኣሰራርሓ
ይዝርግሕ፣ ዝርዝሩ ብደንቢ ይውሰን፣
2. ንኡስ ዓንቀፅ (1) እዚ ዓንቀፅ ሕሉው ኮይኑ ኮሚሽን ብሄራዊ ግልጋሎት ነዚ
ሚኒስትሪ ተፀዋዒ ይኸውን፣
ዓንቀፅ 34. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ድሕንነት
1. ናይ ውሽጥን ደገን ሽብር ሓይልታት ቅድሚ መጥቃዕቲ ምብፅሑ ኣቀዲምካ ክፈሽሉ
ምስ ዝምልከቶ ተረዳዲኡ ይሰርሕ፣
2. ብቐጥታ መንግስትን ህዝብን ስግኣት ሓደጋ ክኾኑ ዝኽእሉን ዝኾኑን ናይ ደገ ኢድ
ኣእታውነትን ናይ ውሽጢ ተሓባበርቶምን ኩነታት ክትትል ክግበረሎምን ንምፍሻሎም
ይከታተል፣ ይሰርሕ፣
3. ብስም ሃይማኖት፣ ከባቢያውነትን ካልኦት ድሕረታትን ንህዝቢ ብምክፍፋል ንመንግስቲ
ክልልና ንምድኻም ነቲ ህዝቢ ነኒ ባዕሉ ንምንኻስን ዝካየዱ ፖለቲካዊ ሸርሕታት
ብፍልጠትን ብመረዳእታን ንምፍሻል ይሕግዝን የማሕኽርን፣
4. ሰላምን ድሕንነትን ክዘርጉ ዝኽእሉ ኢኮኖሚያዊ ሻጥራት፣ ናይ ሚድያ ምድንጋራትን
ዲፕሎማሲያዊ ፀቕጥታትን ክፈሽሉ ይከታተል፣ ይሰርሕ
5. ኣብ ሃገር ዝርከቡ ዓበይቲ ትካላት ልምዓት ድሕንነቶም ይከታተል፣
6. መረዳእታታት ድሕንነት ኣኪቡን ጠርኒፉን ተንቲኑን ከከም ኣድላይነቱ ንርእሰ
ምምሕዳር የመሓላልፍ፣
7. ኩለን ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ድሕንነት ሕልው ንኽኸውን ይሕግዝ፣

ዓንቀፅ 35. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪ ጉዳይ ወፃኢ


1. ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝሕሉ፣ ልኡላውነት ትግራይ ዘኸብር፣ ኣብ መትከል
ምክብባርን ሓባራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ርክብ ጉዳይ ወፃኢ ይፍፅም፣
2. ትግራይ ብዘለዋ ርክብ ወፃኢ መሰላን ረብሓኣን ንክሕሎን ብካልኦት መንግስታት
ንክኽበርን ይሰርሕ፣ ትግራይ ምስ ጎረቤት መንግስታት ሰናይ ጉርብትና ንክህልዋ
ይሰርሕ፣
3. ካልኦት ኣካላት መንግስቲ ምስ መንግስታት ወፃኢን ዓለምለኸ ውድባትን ዝገብርዎም
ኩሎም ርክባት የተሓባብር፣
4. ብፍሉይ ንካልእ ኣካል እንተዘይተዋሂቡ መንግስቲ ትግራይ ምስ ካልኦት
መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን ዝገብሮም ብመንግስቲ ዝተፈቐዱ ዓለም ለኸ ውዑላት
ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምምኽኻር ይደራደር፣ ይፍርም፣ ከምኡ እውን ንኽፀድቁ
ዘድልዩ ፎርማሊቲ ይፍፅም፣ እዞም ውዑላት ዘስዕቡዎ መሰልን ግቡእን ምኽባሮም
የረጋግፅ፣
5. ትግራይ ምስ ካልኦ መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላትን እትገብሮ ኩሎም
ዝተመስከረሎም ዓለምለኸ ውዕላት ዋና ቅዳሕ መዝጊቡ ሓለዋ ይገብር፣
6. መንግስቲ ትግራይ ኣብ ሞንጎ ብዙሓት መንግስታት ዝግበሩ ዓለምለኸ ውዑላት
ኣቐማጢ እንትኸውን ብሓደራ ዓቂቡ ይሕዝ፣
7. ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ተወከልቲ መንግስታት ወፃኢ ሃገር፣ ቆንስላታትን
ተወከልቲ ዓለምለኻዊ ትካላትን ብምርኻብ ከምኣድላይነቱ ሓበራዊ ረብሓ ዝሕለወሉ
ኩነታት የመቻቹ፣
8. ብዓለምለኸ ሕግን ትግራይ ብዝተቐበለቶም ዓለምለኸ ውዕላትን ንተወከልቲ
መንግስታት ወፃኢ ሃገርን ዓለምለኸ ትካላትን ዝተውሃቡ መሰላት ክኽበሩ ይገብር፣
9. ተግባራት ዲፕሎማትክ ቆንስላን ሚስዮናት ወፃኢ ዓዲን ቀዋሚ መልእኽተኛ ኣብያተ
ፅሕፈት ዓለምለኸ ትካላትን ትግራይ የተሓባብር ስራሕቶም ይቆፃፀር፣
10. ብመሰረት ኣገባብነት ዘለዎ ሕጊ ዲፕሎማቲክን ሰርቪስ ፓስፖትን ከምኡ እውን
ዲፕሎማቲክን ሰርቪስ መእተዊ ቪዛን ይህብ፣
11. መሰልን ረብሓን ኣብ ወፃኢ ሃገር ዝነብሩ ተጋሩ ክሕሎ ይገብር፣ ብማሕበረሰብ
ተጋሩን ፈተወቲ ትግራይን ዝተጣየሹ ማሕበራት የበረታትዕ ይድግፍ፣
12. ዲያስፖራ ትግራይ ኣብ ልምዓት ትግራይ ክሳተፍ ኩነታት የመቻቹ፣
13. ቁጠባ ዲፕሎማሲ የካይድ፣
14. ተግባራት ፐብሊክ ዲፕሎማስን ኮሙኒኬሽንን ሰናይ ምስሊ ትግራይ ንምህናፅን
ደገፍቲ ንምብርኻትን ዓሊሙ ይሰርሕ፣
15. ኣባላት ዲያስፖራ ናብ ዓዶም መፂኦም ግልጋሎት ናፃ ትምህርቲ ንክህቡ ፕሮግራም
ዓድኻ ፍለጥ፣ ኢንተርፕሪነርሺፕ የመቻቹ፣ ይከታተል ንተሳትፎኦም ወረቐት ምስክር
ዝረኸብሉ ኩነታት የመቻችው፣

ዓንቀፅ 36. ሓበራዊ ስልጣንን ተግባርን ሚኒስተር


ሕድሕድ ሚኒስተር ንዝመርሖ ሚኒስትሪ፡-
1. ኣብዚ ኣዋጅ ዓንቀፅ 17 ዝተደንገገ ሓበራዊ ስልጣንን ተግባርን ሚኒስትሪን፣
ንዝመርሖ ሚኒስትሪ ዝተውሃቡ ስልጣንን ተግባርን ናይ ምፍፃምን ክፍፀም ምግባርን
ሓላፍነት ይህልዎ፣
2. ዝተመደበሉ ሚኒስትሪ ብላዕለዋይነት ይመርሕ፣
3. ትልምን በጀትን ኣዳልዩ ክፀድቕ ንዝምልከቶ ኣካል የቕርብ፣ ምስፀደቐ ኣብ ተግባር
የውዕል፣
4. ኣግባብነት ብዘለዎ ሕጊ ዝተውሃቦ ስልጣንን ተግባርን ይፍፅም የፈፅም፣
5. ዝተፈቐደ በጀት ብመሰረት ሕጊ ፋይናንስ የመሓድር፣
6. ምስ ሳልሳይ ወገን ዝፍፀሙ ርክባት ይውክል፣
7. ብመሰረት ኣገባብ ዘለዎ ሕጊ ሰራሕተኛ የመሓድር፣
8. ንሰራሕተኛ ሚኒስትሪን ካልእ ዝምልከቶ ኣካልን ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ይፍፅም፣
9. ብዝምልከቶ ኣካል ዝቐርብ ውሳነ ሓሳብ ቅፅዓት ዲሲፕሊን የማሓይሽ፣ የፅድቕ ወይ
ይስዕር፣ ዝርዝሩ ብደንቢ ይውሰን፣
10. ኣድላይ ኾይኑ እንትርከብ ካብ ስልጣኑን ተግባሩን ንካሊእ ብውክልና ክህብ ይኽእል
11. ኣገባብነት ብዘለዎ ሕጊ ናብኡ ተፀዋዒ ናይ ዝኾነ ቤት ዕዮ ኣፈፃፅማ ስራሕ
ብላዕለዋይነት ይመርሕ የተሓባብር፣ ኣወዳድባ፣ ፕሮግራም ስራሕን በጀትን
መርሚሩን ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ንክቐርብ ይውስን፣
12. ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዝመርሖ ሚኒስትሪን ንዕኡ ተፀዋዒ ዝኾነ ቤት ዕዮን ንቤት
ምኽሪ፣ ንፕሬዚደንት፣ ንቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራትን ብሕጊ ስልጣን ንዝተውሃቦ
ካልእ ኣካልን የቕርብ፣
13. ብፕረዚደንትን ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራትን ዝተውሃብዎ ካልኦት ስራሕቲ
ይፍፅም፣ የፈፅም፡፡
ዓንቀፅ 37. ስልጣንን ተግባርን ሚኒስተር ዲኤታ
1. ሚኒስተር ኣብ ስራሕ ኣብ ዘይህልወሉ ወይ ክስርሕ ኣብ ዘይኽእለሉ እዋን ተኪኡ
ይሰርሕ፣
2. ኣብቲ ሚኒስትሪ ካብ ዘለው ዳይሬክቶሬታት ንሓደ ዳይሬክቶሬት ይመርሕ፣
3. ብሚኒስተር ዝወሃቦ ካልእ ተግባር ይፍፅም።
ስልጣንን ተግባርን ካብ ካቢኔ ሚኒስትሪን ሚኒስትሪን ወፃኢ ዝኾነ ቤት ዕዮ
ዓንቀፅ 38. ሓባራዊ ስልጣንን ተግባርን
1. ፖሊሲን ስትራተጂን ሕግን የመንጩ፣ ብዝምልከቶ ኣካል እንትፀድቕ የተግብር፣
2. ዓቕሚ ሰራሕተኛን ዝምልከቶ ኣካልን ብዝተፈላለየ ኣገባብ የዕቢ፣
3. ትልምን በጀትን ኣዳልዩ ንዝምልከቶ ኣካል የቕርብ እንትፀድቕ ፀደቐ፣ ይፍፅም፣
የፈፅም፣
4. ኣዋጅ፣ ደንቢ፣ መምርሒ ቤት ዕዮኡ የፈፅም፣
5. ኣብ ዝምልከቶ ምንቅስቓስ ስራሕ ብቕዓት የረጋግፅ፣
6. ደቂ ኣንስትዮን ጉድኣት ኣካልን ካልኦት ኣብ ምንቅስቃስ ማሕበረ-ኢኮኖሚን
ፖለቲካን ሙሉእ ተሳትፎ ንምግባር ፀገም ዘለዎም ክፋል ሕብረተሰብ ፍሉይ
ትኹረት ክረኽቡ ዝኽእልሉ ስርዓት ይዝርግሕ፣
7. ኣብ ዙሪያ ስራሕቱ መፅናዕቲ የካይድ፣ ንክካየድ ይድግፍ፣
8. ብሽሙ ይኸስስ ይኽሰስ፣ ውዕሊ ይወዓዓል፣ ንብረት ይውንን፣
9. ከም ኣገባብነቱ ንዝህቦ ግልጋሎት ብመሰረት ሕጊ ግቡእ ክፍሊት ይእክብ፣
10. ከም ኣገባብነቱ ንመንግስቲ የማኽር፣
ብሕጊ ዝተውሃቦ ካልእ ስልጣንን ተግባርን ይፍፅም የፈፅም፣
ዓንቀፅ 39. ስልጣንን ተግባርን ኤጀንሲ ምልማዕ ንግዲ

1. ፍትሓዊን ሕጋዊን ስርዓት ንግዲ ክረጋገፅ ይገብር፣


2. ተግባራት ፀረ ውድድር ንግዲ ንምክልኻል ዘኽእል ስርዓት ይዝርግሕ፣ ኣፈፃፅማኡ
ይከታተል ፣ብመሰረት ሕጊ ሓለዋ ሸማቶ ይገብር፣
3. መዝገብ ንግዲ የዳሉ፣ የማሓድር፣ መረዳእታ ንግዲ ትግራይ ይውድብ ንዝምልከቶም
ኣካላት የሰራጩ፣
4. ብብርኪ ትግራይ ሓበሬታ ዕደጋ ይእክብ፣ ይትንትን የሰራጩ፣
5. ቁፅፅር ዋጋ ክግበረሉ ዝግባእ መሰረታዊ ኣቓሓ ንግድን ግልጋሎትን ብምፅናዕ ንቤት
ምኽሪ ካቢነ ሚኒትራት የቕርብ እንትፍቀድ ተግባራውነቱ ይከታተል፣
6. ብመሰረት ሕጊ ምዝገባ ንግድን ፍቓድን ውልቀ ነጋዳይን ማሕበርን የካየድ፣ ፍቓድ
ይህብ፣ ይሕድስ፣ ዝተውሃበ ፍቓድ ንዝተውሃበሉ ዕላማ ምውዓሉ ይቆፃፀር፣ እንትጠሓስ
ብመሰረት ሕጊ ይዕሽግ፣ ይእግ ድ ፣ ይስርዝ፣
7. ሕጋዊ ስርዓት ስነ-ዓቐን ይዝርግሕ፣ ተግባራውነቱ ይቆፃፀር፣ ኣብዚ መዳይ ፈፀምቲ
ኣካላት የተሓባብር፣
8. ንቤት ምኽሪ ማሕበራት ንግዲ፣ ዘፈር ማሕበራት ንግድን ሸማቶን ንክጣየሹ
ይድግፍ የጠናኽር፣
9. ኣገዳዲ መዐቀኒ ዘለዎ ኣቕሓ ንግድን ግልጋሎትን መዐቀኒ ዘማለአ ምዃኑ ይቆፃፀር፣
ዝተቐመጠ መዐቀኒ ንዘየማለአ ኣቕሓን ግልጋሎትን ሕጋዊ ስጉምቲ ይወስድ፣
10. ማሽነሪታት ፋብሪካ ብመትሓጃ ውሕስና ይምዝግብ፣ ንዝህቦ ግልጋሎት ግቡእ
ክፍሊት ይእክብ፣
11. ዋኒን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምምኽኻርን ብምትሕብባርን ማእኸላት ዕደጋ
ዝጣየሻሉ ኣገባብ የመቻቹ ይድግፍ፣
12. ስራሕቲ ንግዲ ምምፃእን ምልኣኽን ይድግፍ፣ ወፃእን ኣታውን ኣቕሓ ንግዲ
ብትኽክለኛ ዋጋ ከምዝተገዝኡን ከምዝተሸጡን ንምርግጋፅ ዘኽእል ስርዓት ይዝርግሕ፣
ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ክትትል ይገብር፣ ብመሰረት ሕጊ ስጉምቲ
ይወስድ፣
13. ማሕበራት ብርኪ/ኣክስዮን ረብሓ ሰብ ብፅሒትን ሕብረተሰብን ብዘኽብር መልክዑ
ንኽጣየሹን ንኽሰርሑን ድጋፍን ክትትልን ይገብር፣
14. ስርዓት ንግዲ ክዝምንን ብቴክኖሎጂ ክድገፍን ናይ ኦንላይን ማርኬቲንግ ክተኣታቶ
ይገብር
ዓንቀፅ 40. ስልጣንን ተግባርን ኤጀንሲ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን
1. ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ማእኸላት መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ይመርሕ፣ የመሓድር፣
ብመሰረት ኣገባብነት ዘለዎ ሕጊ ዝተውሃበን ስራሕን ሓላፍነትን ምፍፃመን የረጋግፅ
ይድግፍ፣
2. ንስትራተጂ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ትግራይ መሰረት ጌሩ ብርኪ ቴክኒክን ሞያን
ትምህርትን ስልጠናን የውፅእ፣
3. ፕሮግራማት ስልጠና ታሕተዋይን ማእኸላይን ክኢላ ሓይሊ-ሰብ ዝውደብሉ መምርሒ
ኣፈፃፅማ የውፅእ፣ ይትግብር፣
4. ኣብ ትግራይ ንዝንቀሳቐሱ ማእኸላት መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ኣፍልጦ ይህብ፣ ካብ
ደረጃ ንታሕቲ ኮይኖም እንትርከቡ ኣፍልጥኡ ይስርዝ፣
5. ኣብ ትግራይ ተመጣጣኒን ፍትሓዊን ዝርገሐ ቴክኒክ፣ ሞያ፣ ትምህርትን ስልጠናን
ክህሉ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብሓባር ይሰርሕ፣
6. ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ማእኸላት ስግግር ቴክኖሎጂን ማእኸላት
መፈልፈሊ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ንግድን ኮይነን ከገልግላ ይሰርሕ፣
7. ማእኸል መሰልጠኒ ብሽርክና ስልጠና ዝህብሉ ኣሰራርሓ የነፅር፣ ንተግባራውነቱ
ይድግፍ፣ ይከታተል፣
8. ጠለብ ዕዳጋ መሰረት ዝገበረ ስሩዕን ዘይስሩዑን ስልጠና መርሃ ግብሪ ትምህርቲ የዳሉ፣
ኣብ ስራሕ ክውዕል ይገብር፣ ስርዓተ ትምህርቲ ዝዳለወሉ ኣንፈት የነፅር ፣
9. ዓቕሚ መምህራንን ሰራሕተኛታትን ኤጀንሲ ንምዕባይ ይሰርሕ፣
10. ማእኸላት መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ብፋይናንስ ባዕሉ ክኽእል መተግበሪ ኣንፈት
እቶት መዕበይ ይሕንፅፅ፣ ኣገባብ ኣጠቓቕማ እዚ እቶት ዝምልከት መምርሒ የውፅእ፣
11. ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ማእኸላት መሰልጠኒ ቴክኒክን ሞያን ንደቐቕትን
ኣናእሸተይን ንግዲ ትካላት ተደላይን መዋፅእን ቴክኖሎጂ ከፍርዩ ይድግፍ፣ የተሓባበር፣
ክትትል ይገብር፣
12. ንልምዓት ቴክኖሎጂ ብገንዘብን ዓይነትን ክሕግዙ ዝኽእሉ ደቂ-ዓድን
ወፃእተኛታትን ሓገዝ ንኽገብሩ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር ይሰርሕ፣
13. ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ተግባራት ቴክኒክን ሞያን ትምህርቲን ስልጠናን ዝሳተፉሉ
መንገዲ የመቻቹ፣
14. ድሕሪ ምጥንቓቕ ስልጠና ቴክኒክን ሞያ ትምህርትን ስልጠናን ሰልጠንቲ ምዘና
ብቕዓት ሞያ ክወስዱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢሩ ይሰርሕ፣
15. ንደቀቕትን ኣናእሸተይን ትካላት ዝውሃቡ ስልጠናታት ምስ ጭቡጥ ኩነታት ከባቢ
ተቃንዮም ክውሃቡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ድጋፍን ክትትልን ይገብር፣
16. ኣብ ትግራይ ዝርከባ መንግስታዊ ኮሌጃት ተክኒክን ሞያን ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
ውልቀ ኮሌጃት ቴክሊክን ሞያን ፍቓድ ይህብ፣ ይከታተል፣ይስርዝ፣

ዓንቀፅ 41. ስልጣንን ተግባርን ኮምሽን ኢንቨስትመንትን ሰደድን


1. ቦርድ ዘውፀኦ መምርሒ፣ ውሳነን ኣንፈትን ይፍፅም፣ የፈፅም፣
2. ሃፍተ ገነት ኢንቨስትመንት ትግራይ ዝምልከት መፅናዕቲ የካይድ፣ ሓበሬታ ይእክብ፣
ይትንትን፣ ይውድብ፣ ይዝርግሕ፣
3. ሰነድ ጭቡጥ ፀጋ፣ ዕድልን መግለፅን ኢንቨስትመንትን ሰደድን ትግራይ የዳሉ፣
ብብርኪ ትግራይን ዓለምለኸን መድረኽ ኤግዝብሽን የዳሉ፣ ወይ ኣብ ዝተዳለወ
ብምስታፍ ፀጋን ዕድልን ኢንቨስትመንትን ሰደድን ትግራይ የፋልጥ፣
4. ብውልቀ ይኹን ብሓባር ንዝግበር ኢንቨስትመንትን ሰደድን ሰብ ሃፍቲ፣ ቤት ዕዮን
ካልኦት ኣገባብነት ዘለዎም ኣካላትን የራኽብ፣ ግልጋሎ ይህብ፣ ይድግፍ፣ ሰናይ ርክብ
ንክህልው ይሰርሕ፣
5. ብመሰረት ኣገባብ ዘለዎ ሕጊ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ይህብ፣ የሕድስ፣ የመሓይሽ፣
ይቆፃፀር፣ ሕጋዊ ስጉምቲ ይወስድ፣
6. መፅናዕቲ መዋፃኣይነት ፕሮጀክት ኢንቨስትመንት ይግምግም፣ ንሰብ ሃፍቲ ምኽርን
ደገፍን ይህብ፣
7. ኣብ ስራሕቲ ድሕረ ኢንቨስትመንት ደገፍን ክትትልን ይገብር፣
8. ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት ፍቓድ ዝተውሃቦ ኢንቨስትመንት ወይ በዓል ሃፍቲ ዝተፈቀደ
መተባብዒ ኢንቨስትመንት ወይ ሰደድ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣ ካብ ዝተፈቀደ ዕላማ ወፃኢ
እንትውዕል ሕጋዊ ስጉምቲ ይወስድ ወይ ክውሰድ ይገብር፣ ብመሰረት ኣግባብነት ዘለዎ
ሕጊ ዝእሰሩ ውዕላት መጠንቀቕታ ይህብ፣ ምምሕያሽ ዘየርኢ ኢንቨስትመንት
እንትህልው ፍቃድ ይስርዝ፣
9. ብመሰረት ስትራተጂካዊ ቅደም ሰዓብ ኢንቨስትመንት ትግራይ ምስ ዝምልከቶ ኣካል
ብምርድዳእ ንምሩፅ ፕሮጀክት ኢንቨስትመንት ዝኸውን ዝለምዐ መሬት ከተማ ወይ
ገፀር ቀዳምነት ተዋሂብዎ ብምርካብ ኣብ ባንኪ መሬት ኢንቨስትመንት ይሕዝ፣
ይወዓዓል፣ የፅድቕ፣ ይምዝግብ፣ ይዕድል፣ የመሓድር፣ ዝርዝሩ ቤት ምኽሪ ካቢኔ
ሚኒትራት ብዘውፅኦ መምርሒ ይውሰን፣
10. ኣብ ከተማ ይኹን ገፀር ብኮሚሽን ብመልክዕ ባንኪ መሬት ኢንቨስትመንት
ኣቐዲሙ ዘይተትሓዘ ንኢንቨስትመንት ክውዕል ዝኽእል መሬት እቲ ኮሚሽን ንምሩፅ
ፕሮጀክት ኢንቨስትመንት ከውዕሎ ይኽእል፣ ከምዚ ዝበለ መሬት፣ መሬት ከመሓድር
ስልጣን ዝተውሃቦ ኣካል ንኮሚሽን ኣፍሊጡ እቲ ኮሚሽን እንተይፈቀደሉ ንካልእ ዕላማ
ከውዕሎ ኣይኽእልን፣ ዝርዝሩ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒትራት ብዘውፅኦ መምርሒ
ይውሰን፣
11. ስራሕቲ ምስላጥን ምትእስሳርን ዕደጋ ሰደድ የካይድ፣ ልምዓት ሰደድ ንምጉልባት
ዘኽእል ኣሰራርሓ ክዝርጋሕ ይገብር፣
12. ምስ ፕሮጀክት ኢንቨስትመንት ዝተተሓሓዙ ስግግራት ቴክኖሎጂን ፍልጠትን
ክካየዱ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር ይሰርሕ፣
13. ምስዝምልከቶ ብምትሕብባር ንወፃኢ ሰደድ ንዝገብሩ ሰብ ሃፍቲ ሸርፊ ወፃኢ ክረኸቡ
ድጋፍ ይህብ፣
14. ደንቢ ሰራሕተኛታት ብምድላው ብቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚንስትራት እንትፀድቕ ኣብ
ስራሕ የውዕል፣

ዓንቀፅ 42. ስልጣንን ተግባርን ኤጀንሲ ምሕደራ ማዓድን


1. ኣብ ልምዓት ማዓድን ንዝተዋፈሩ ማሕበራትን ውልቐ ኢንቨስተራትን ምስ
ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ድጋፍ ናፃ ቀረፅ ይህብ፣
2. ሃፍቲ ማዓድን ብዝምልከት መረዳእታ ይእክብ፣ ይውድብ፣ የፅንዕ፣ የፋልጥ፣ ኣብ ረብሓ
የውዕል፣
3. ንልምዓት መዓድን ዘድሊ ተግባር ቅየሳ፣ መፅናዕቲ ካርታ ጂኦሎጂ፣ ላብራቶሪ
ማዓድንን ሜትሮሎጂ ማዓድንን መረዳእታ ይእክብ፣ ፍቃድ ይህብ፣ ይስርዝ፣ ደገፍ
ይገብር፣
4. ልምዓት ማዓድን ንምስፍሕፋሕ ዘኽእል ዝተማለኣ ብቕዓት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ክህሉ
ይሰርሕ፣ ንዝካየድ ስራሕቲ ልምዓት ሃፍቲ ማዓድን ዘድሊ ድጋፍ ይህብ፣

5. ንምዕባለ ማዓድናት ዝጠቕሙ ምስ ከባቢና ዝስማምዑ ቴክኖሎጂታት የፅንዕ


የተኣታቱ፣ ንክተኣታተዉ ይገብር፣ የፋልጥ፣
6. ብመፅናዕቲ ዝተረጋገፁ ማዓድናት ኮንስትራክሽ፣ ኢንዳስትሪ፣ ዳይመንሽን ዝኽበሩን
ብክፋል ዝኽበሩን ኣእማን፣ መጋየፅን ሓፂን መፂንን ክለምዑ ይገብር፣ ሕጋዊ ስርዓት
ዕዳጋ ይዝርግሕ፣
7. ቁፅፅርን ክትትልን ብምግባር ሕጋዊ መፅናዕቲ፣ ምፍራይ፣ ንግዲ ዝውውር ሃፍቲ
ማዓድን ክህሉ ይገብር፣ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ሓቢሩ ይሰርሕ፣
8. ማዓድናት፣ ኢ ንዲስትሪን ኮንስትራክሽንን ብዝምልከት ዳህሳስን ምርመራን
የካይድ፣
9. ብርኪ ኢንዲስትሪን ማዓድናት ታሕተዋይን ላዕለዋይን ብርኪ ኮንስትራክሽን ንውሽጢ
ዓዲ ሰብ ሃፍትን ትካላትን ፍቓድ ይህብ፣ ይቆፃፀር፣ ይእግድ፣ ይስርዝ፣
10. ብመሰረት ሕጊ ፍቓድ ምዝውዋር ዝኸበሩ ማዓድናት ይህብ፣ ይቆፃፀር፣ ይእግድ፣
ይስርዝ፣ ከም ኣገባብነቱ ብቕዓት መረጋገፂ ይህብ፣
11. ንኣፍልጦ ስራሕቲ ማዓድን ሰርተፊኬት ይህብ፣ ይስርዝ፣
ዓንቀፅ 43. ስልጣንን ተግባርን ኤጀንሲ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላትን ፈጠራ
ዕድል ስራሕን
1. ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማታት፣ ምምሕያሽ ናብራ፣ ደቀቕትን ካብ መፍረይቲ ወፃኢ
ዘለዉ ኣናእሽተይ ንግዲ ትካላትን ማዕቐፋት ደገፍ ይቐርፅ፣ የተሓባብርን ኣፈፃምኡ
ይከታተልን፣ ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
2. ኣብ እታወት ሰንሰለትን ድሌት ደቀቕቲ ትካላት ንግድን ካብ መፍረይቲ ዘፈር
ወፃኢ ዘለዉ ኣናእሽተይ ትካላት ንግድን ዝተመሰረተ ስልጠና፣ ፋይናንስ፣ ቴክኖሎጅን
ግልጋሎት ምኽርን ንክረኽቡ ይግባር፣ ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
3. ንደቀቕትን ካብ መፍረይነት ዘፈር ወፃኢ ዘለዉ ኣናእሽተይ ንግዲ ትካላትን በቢ
ዘፈሮምን ካልኦት ዝፍጠሩ ኣወዳድባን ክውደቡ፣ ኩለመዳያዊ ደገፍን ተጠቀምቲ ዕዳጋ
ውሽጢ ዓድን ክኾኑ ይድግፍ፣ ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
4. ዝተዛበዐ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ስራሕ ንምቕያር ዘኽእሉ ግንዛበ መዕበዪ
ስልጠናታት ይህብ፣ ነዙይ ዝሕግዝ ምንቕናቕ ህዝቢ ክፍጠር ይሰርሕ፣
5. ማሕበራዊ ፀገም ንዘለዎም፣ ንዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ፍልሰትን ዝተቓልዑ
ወገናት ተግባራት ስራሕ ዕድል ይፈጥር፣ የመቻቹ፣
6. ከተማታት በቢ ብርከን ንምውድዳር ብዝወፅእ መወዳደሪ ረቛሒ ልምዓትን ሰናይ
ምምሕዳርን ጉዳይ ውሕስና ምግቢ ከተማታት ከም ሓደ ረቋሒ ምክታቱ ይከታተልን
ትኹረት ረኺ ቡ ክኸይድ ይድግፍን፣
7. ኣብ ከተማ ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅ፣ኣብ ገፀር ይኹን ኣብ ከተማ ስራሕ ንዝስኣኑ
ወገናት ዕድል ስራሕ ንክፍጠረሎም ይገብር፤
8. ምስ ዝምልከቶም አካላት ብምትሕብባር ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ንዘለዉ
ዜጋታት ዝተፈለየ ፓኬጅ ይቐርፅ፣ ናብ ስራሕ የዋፍርን ኣብ ዝተገደበ ግዘ ክምረቑ
ንክሰጋግሩን ይገብር፣ ዝርዝሩ ብመምር ሒ ይውሰን፣
9. ንደቀቕትን ካብ መፍረይቲ ኢንዱስትሪ ወፃኢ ዘለው ትካላት ኣናእሽተይ ንግድን
ድጋፍ ኤክስቴንሽን ኢንዱስትሪ ይህብ የተሓባብር፣ ንዝርዝር ኣፈፃፅማኡ ዝሕግዝ
መምርሒ የዳሉ፣
10. ኣብ ስራሕ ዝተዋፈረን ዘይተዋፈረን ሓይሊ ሰብ፣ ኣመዳድባ ስራሕን
ሞያን፣ ክፍቲ ስራሕ ቦታ ብዝምልከት መፅናዕቲ የካይድ፣ ይምዝግብ፣ ሞያዊ ምኽሪ
ይህብ፣ ስራሕን ሰራሕተኛን የራኽብ፣
11. ካብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስቲታት፣ ኮሌጃትን መሰልጠኒ ማእኸላትን ሰልጢኖም
ንዝወፁ መናእሰይ ወዲቡ ኣፍልጦ ብምሃብ ናብ ስራሕ የእትው፣
12. ኣብ ትግራይ ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ወፃእተኛታት ፍቓድ ስራሕ
ምህላዎምን ምሕዳሶምን ይቆፃፀር፣
13. ንውልቀ ኣሰራሕን ሰራሕተኛን መራኽብቲ ኤጀንሲታት ብብርኪ ትግራይ ስራሕ
ፍቓድ ይህብ፣ ይከታተል፣ ይሕድስ፣ ይስርዝ፣
14. ዜጋታት ኣብ ወፃኢ ሃገር ስራሕ ክረክቡ ስራሕ ዝርከበለን ዓድታት የፅንዕ፣ ስራሕ
ክተኣሳሰሩ ይገብር፣ ዘድሊ ስልጠናን መረዳእታታትን ምስ ዝምልከቶ ብምዃን ክማላእ
ይገብር

ዓንቀፅ 44. ስልጣንን ተግባርን ኤጀንሲ ምስፍሕፋሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ልምዓት
ዕዳጋን
1. ዕላማ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ኣብ መላእ ሕብረተሰብ ብፍላይ ኣብ መናእሰይን
ደቂ ኣንስትዮን ንክሰርፅን ተግባራዊ ኽኸውንን ዝሕግዝ ስትራተጂ የዳሉ፣
2. ድልየት ኣባላት መሰረት ዝገበረን ማሕበረ ኢኮኖሚያዊ ፀገማት ኣባላት ንምፍታሕ
ብመሰረታዊ ዩኔንን ፌደሬሽንን ሕብረት ስራሕ ማሕበር ንኽውደቡ ይሰርሕ፣ ሕ ብረት
ስራ ሕ ማ ሕበ ር ይም ዝግ ብ ፣ ፍቓ ድ ወ ረቐ ት ይህ ብ፣ ይስ ር ዝ፣ ኣድላይ ድጋፍ ይገብር፣
3. ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ንፍርያቶም ዝሓሸ ዋጋ ዝረኸብሉ ኩነታት የመቻቹ፣
4. ምህርቲ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ንምስሳን ዝሕግዙ ውፅኢት ዘመናዊ ኢንዱስትሪን
ቴክኖሎጂን ዝኾኑ እታወታት ንምጥቃም ዘኽእሎም ልቓሕ ዝረኽብሉ ምችው ባይታ
ይፈጥር፣
5. ኣግባብ ምስ ዘለዎም ኣካላት ብምትሕብባር ሓረስታይ ግልጋሎት ልቓሕ ዝረኽበሉ
ኩነታት የመቻቹ፣
6. ዝተኣታተዉ ፓኬጃት ሕርሻ ንምትግባር ዘድልዩ እታወታትን ልቓሓትን ሕርሻ
ብዝድለ ፅሬት፣ ዓቐንን ሰለጤንን ንሓረስታይ የቕርብ፣ ፍርያት ሕርሻ ዕዳጋ ውሽጢን
ወፃኢን ዓዲ መሰረት ዝገበረ ክኸውን ኩነታት የመቻቹ፣ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
7. ሕብረት ስራሕ ማሕበራት እዋናውን ኣገዳስን መረዳእታ ዕደጋ ክረክቡን ኣብ ናፃ
ዕደጋ ተወዳደርቲ ዝኾንሉን ኣብ ምዕባለ ቁጠባ ትግራይ ግቡእ ኣበርክቶ ዝገብርሉን
ባይታ የመቻቹ፣
8. ምስዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ብዛዕባ ንብረት፣ ገንዘብን ሒሳብን እቶም
ዩኔናትን ፌዴረሽናትን ምርመራ ክካየድን ንዝተርኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ኣድላይ
መፍትሒ ስጉምቲ ንኽወስዱ ኣድላይ ደገፍ ይገብር፣
9. ኣብ መንጎ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ርክብ ዕዳጋ ክህሉን ቁጠባዊ ዓቕሞም ከዕቢ
ዘኽእል ቴክኒካዊ ድጋፍ ይገብር፣
10. ንምዕባለ ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዝሕግዙ ፕሮጀክትታት ብምቕራፅ ንመንግስትን
ገበርቲ ሰናይ ትካላትን የቕርብ፣ ምስተፈቀደ ኣብ ተግባር የውዕል፣ ክውዕል ይገብር፣
11. ዩኔናትን ፌዴረሽናትን ኣብ ዝውሃሃድሉ ወይ ዝከፋፈልሉ ወይ ዝፈርስሉ እዋን
ኣገባብ ኣፈፃፅምኡ ብመሰረት ሕጊ ንክፍፀም ኣድላይ ክትትልን ሓገዝን ይገብር፣
12. ኣብ መንጎ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት፣ ዩኔናትን ፌዴረሽናትን ዝፍጠሩ ጎንፅታት
ብሽምግልና ዳይነት ንኽፍትሑ ይገብር፣ ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
13. ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ፍርያት ኣባላተን ንኽውስኽ ኣብ ስራሕቲ ኣግሮ
ፕሮሰሲንግ ዝዋስኣሉ ባይታ የመቻቹን ኣድላይ ድጋፍ ይገብርን፣
14. ንግልጋሎት ሕብረት ስራሕ ማሕበር ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ሰነዳትን መዛግብቲ
ሒሳብን ንኽዳለዉ ይገብር፣

ዓንቀፅ 45. ስልጣንን ተግባርን ኢንስቲትዩት ምርምር ሕርሻ


1. ብመሰረት ፖሊሲታት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ሳይንስን ቴክኖሎጅን ማስተር ፕላን
ምርምር ሕርሻ የዳሉ፣ ኣፈፃፅምኡ ይከታተል፣
2. ምስ ድልየትን ልምዓትን ትግራይ ዝጠዓዓሙ ኘሮግራማትን ፕሮጀክታትን
ምርምር ሕርሻ ብምቕራፅ ይትግብር፣ ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
3. ክትግበሩ ተዳሊዮም ናይ ዝቐርቡ ፕሮግራማትን ፕሮጀክትታትን ምርምር ሕርሻ
በጀት ብምግምጋም ብደንቢን መምርሒን መሰረት ምድላውን ዝተቐመጠ መመዘኒን
ረቋሒን ምምልኦምን የረጋግፅ፣
4. ብመሰረት ፖሊሲን ስትራተጂን ምርምር ሕርሻ ምርምር የካይድ፣ ክካየድ ይገብር፣
5. ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ውፅኢታዊነቶምን ጠቓሚነቶምን ዝተረጋገፁ
ቴክኖሎጂታትን ፍርያትን ሕርሻ ተገልገልቲ ዝፈልጥሉ፣ ዝጥቀሙሉን ኣብ ስራሕ
ዝውዕልሉ ን ስርዓት ይዝርግሕ፣ ንተግባራዊነቱ ይከታተል፣
6. ብመሰረት ማስተር ፕላን ምርምር ሕርሻ ኣብ ትሕቲኡ ዝመሓደሩ ማእኸላት
ምርምር ዝፍፅምዎም ስራሕቲ ምርምር ይግምግም፣ ሓደሽቲ ማእኸላት ንኽጣየሻ ውሳነ
ሓሳብ ንካቢኔ ሚኒስትሪ ስግግር ቁጠባ የቕርብ፣ እንትፀድቕ ንተግባራዊነቱ ይከታተል፣
7. ኣብ ዓለም ለኸ ዝተኻየዱን ኣብ ዝካየዱን ምርምርን ውፅኢት ምርምርን ሕርሻ
ብዝምልከት ሓበሬታ ብምእካብ፣ ብምዕቃብን ን ረ ብ ሓ መ ፍ ረ ያ ይ ነ ት ሕ ር ሻ ት ግ ራ ይ
የውዕል፣ ን ዝ ምል ከቶ ኣ ካላ ት ክ ባፃሕ ይገ ብ ር፣
8. ኣብዚ ኢንስቲትዩት ዝስርሑ ተመራመርቲን ድጋፍ ወሃብቲን ምችው ባይታ
ስራሕን ክፍጠረሎም የመቻችው፣ ተመራመርቲ ሞያን ውፅኢትን መሰረት ዝገበረ
መሳለል ዕብየት ንክህልዎም ይገብር ብመንግስቲ እንትፀድቕ ተግባራዊ ይገብር፣
9. ዕላምኡ ንምዕዋት ብመሰረት ሕጊ ተመሳሳሊ ተግባር ምስ ዝፍፅሙ ትካላት
ትምህርትን ምርምርን ከምኡ እውን ደገፍቲ ትካላት ርክብ ይምስርት ይተሓባበር፣
ስምምዕነት ይፈራረም፣ ይትግብር፣ ተግባራውነቱ ይከታተል፣
10. ብማእከላት ምርምር ሕርሻ ዝካየዱ ፕሮጀክት ምርምራት ምድግጋምን ብኽነት
ሃፍትን ንምክልኻል ዘኽእል ስርዓት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን የውፅእ፣
ይዝርግሕ፣ ይቆፃፀር፣
11. ካብ ዝተፈላለዩ ፍልፍል ዝረኸቦ እቶት ይእክብ፣ ይጥቀም፣ ዝርዝር ኣፈፃፅማኡ ቤት
ምኽሪ ካቢኔ ሚኒትራት ብዘውፀኦ ደንቢ ይውሰን፣
ዓንቀፅ 46. ስልጣንን ተግባርን በዓል መዚ ሓለዋ ከባብን ለውጢ ነባሪ ኣየርን
1. ስነ-ከባቢ ትግራይ እናፅነዐ መረዳእታ ይእክብ፣ ኣግባብ ኣጠቓቕምኡ ይውስን፣
ከምኣድላይነቱ ንተጠቀምቲ መረዳእታን ሓበሬታን ይህብ፣
2. ስርዓት ትመና ዋጋ ግልጋሎት ስነ-ምህዳር የተኣታቱ፣ የተግብር፣
3. ስነ-ከባቢ ብምኽንያት ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ጉድኣት መፍረያይነቱ ከይቕንስን
ካብ ረብሓ ወፃኢ ከይኸውንን ኣጠቓቕማ ፅልዋ ስነ-ከባቢ ዘሕድሩ መንግስታዊ፣ ውልቀን
ሓባርን ትሕዝቶ ግቡእ ሓለዋ ዝግበረሎም ኣገባብ ንክህሉ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት
ብምትሕብባር ይሰርሕ፣ የተሓባብር፣
4. ሓለዋ ስነ-ከባቢ ኣመልኪቱ ኣብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ዘሎ ኣካይዳ
ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣ ይድግፍ፣ ሕጊ ተኸቲሉ ኣድላይ ስጉምቲ ይወስድ፣ ዝርዝር
ኣፈፃፅምኡ ብመምርሒ ይውሰን፣
5. ዝተጎድአ ስነ ምህዳር ንክሓዊ፣ ኣብ ሃፍቲ ብዝሓ-ህይወት ትግራይ፣ ተፈጥሮን ሰብ
ስራሕ ሓደጋታት፣ ኣብ ኣጠቓቕማን ኣተሓሕዛን ፓርክታት መፅናዕቲ የካይድ፣
ንመንግስቲ ውሳነ ሓሳብ የቕርብ፣ ንዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ይህብ፣ ኣፈፃፅምኡ
ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
6. ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ህዝቢ ከባቢኡ ከልምዕ፣ ክከናኸንን ክሕሉን
ቀፃሊ ኣስተምህሮ ይህብ፣ ውፅኢቱ ይከታተል፣ ይግምግም፣
7. ሓለዋ ስነ-ከባቢ ዝምልከቱ ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት የፅንዕ፣ ይቐርፅ፣ ረቂቕ ሓሳብ
የዳሉ፣ ነዚ ዝድገፍ ካብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ፋይናንስ ሓገዝ
የተኣላልሽ፣ ኣብ ዝምልከቶ ስራሕ ክውዕል ይገብር፣ ተግባራዊነቱ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
8. ትግራይ ዝፈረመቶምን ዘፅደቐቶምን ኮንቨንሽናትን ውሳነታት ሓለዋ ስነ-ከባቢ ምስ
ዝምልከቶም ብምትሕብባር ኣብ ስራሕ የውዕል፣ ይከታተል፣
9. ዝተዳለወ ብርኪ ሓለዋ ስነ-ከባቢ ኣብ ስራሕ ምውዓሉ የረጋግፅ፣
10. ሓለዋ ስነ-ከባቢ ኣመልኪቶም ዝመፁ ጥርዓናት ኣድላይ ምፅራይ ይገብር፣ ውሳነ
ይህብ፣
11. ኣተኣኻኽባ፣ ኣተሓሕዛ፣ ኣተኣላልያን መሊስካ ኣብ ጥቕሚ ምውዓልን ፈሳሲ ርስሓት፣
ደረቕ ጓሓፍን፣ ከሚካላትን መርዛም ጎሓፍን ኣብ ጥዕና፣ ድሕንነት ሕብረተሰብን ስነ-
ከባብን ፀገም ብዘይፈጥር ምፍፃሙ የረጋግፅ፣ ይቆፃፀር፣ ብመሰረት ሕጊ ስጉምቲ ይወስድ፣
12. ኣብ መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ክትትልን ቁፅፅርን ስነ-ከባቢ የካይድ፣
ኣድላይ ስጉምቲ ይወስድ፣
13. ብውልቀ ሰብ ሃፍቲ፣ ብመንግስትን ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዝሳለጡ ፕሮጀክታት
ልምዓት ዝቐርብ ሰነድ መፅናዕቲ ብምግምጋም መረጋገፂ ስነ-ከባቢ ይህብ፣ ይእግድ፣
ኣተገባብርኡ ይከታተል ይቆፃፀር፣
14. ተግባራት ባህላውን ዘመናውን ስራሕቲ ዕደና ንስነ-ከባቢ ብዘይጎድእ ክፍፀሙ ምስ
ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር ይሰርሕ፣ ብመሰረት ሕጊ ስጉምቲ ይወስድ ወይ ክውሰድ
ይሰርሕ፣
15. ሓለዋ ስነ-ከባቢ ዝምልከቱ ጉዳያት ንሰብ ትሕዝቶ፣ ተጠቀምቲ፣ ንሰብ ውልቀ ሃፍቲን
መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ምኽርን ቴክኒካዊ ሓገዝን ይህብ፣
16. ብክለት ከባቢ ኣየር ከስዕቡ ዝኽእሉ ከሚካላውን ካልኦትን ብሓባር ዝውገድሉ
መስርሕ የውፅእ፣ ዝርዝሩ ብካቢኔ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ብዘውፀኦ መምርሒ ይውሰን፣
17. ከይዲ ህንፀት ለውጢ ነባሪ ኣየር ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣብ ትልሚ ኣብያተ ዕዮ
ምክታቱ የረጋግፅ፣ ዘድሊ ደገፍን ክትትልን ይገብር፣
18. ብርኪ ስነ-ከባብን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ስታንዳድር የዳሉ፣ ኣብ ስራሕ
ምውዓሎም ይከታተል፣
ዓንቀፅ 47. ስልጣንን ተግባርን ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ምህርትን ብርኪ ምደባን
1. ዓለምለኻዊ ቅቡልነት ዘለዎ ኣገዳዲ መስፈርቲ ፍርያት ኢንዱስትሪ የውፅእ፣
ብዝተዳለወ መስፈርቲ መሰረት ብርክን መረጋገፅን ይህብ፣ ወይ ክወሃብ ይገብር፣
2. ስርዓት ስነ-ዓቐን ይዝርግሕ፣ ተግባራውነቱ ይከታተል፣
3. ስርዓት ቁፅፅር ንሰደድ ዝውዕሉ ዝተፈላለዩ ምህርቲ ሕርሻ፣ እንስሳን ውፅኢት
እንስሳን፣ ዓሳን መዓርን ይዝርግሕ፣
4. ብመሰረት ዝተዳለወ መስፈርቲ ፅሬት ናብ ትግራይ ክኣትዉ ዝግበኦም ፍርያትን
ኣቅሑትን ወፃኢ ዓዲ ይውስን፣ ብመሰረት ውሳነ ክፍፀም ምስዝምልከቶም ኣካላት
ይሰርሕ፣
5. ምህርቲ ኢንዳስትሪ ብርኪ ፅሬቶም ዝሓለዉ፣ ብብርኪ ዓለምለኸ ተወዳደርቲ ንክኾኑ
ስራሕቲ ዓቕሚ ህንፀት፣ ስራሕቲ ምርምርን ስርፀትን ንክፍፀሙ ስርዓት ይዝርግሕ፣
ኣፈፃፅምኡ ይከታተል፣
6. ምህርትን ኣገልግሎትን ኢንደስትሪ ትግራይ ብመሰረት ኣግባብነት ዘለዎ ሕጊ ወይ
ፍቓድ ኣፍልጦን ወረቐት ምስክርን ፅሬት፣ ብርኪ፣ ምልክት ፅሬት ወይ መረጋገፂ
ምዘና ተስማዕማዕነት ክረክብ ይሰርሕ፣ የተሓባብር፣ ዝርዝሩ ቤት ምኽሪ ካቢኔ
ሚኒስትራት ብዘውፀኦ ደንቢ ይውሰን፣
7. ኣብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ላዕለዎት ትካላት ትምህርትን ምርምርን ብምትሕብባር ቤተ
ፈተነ ፅሬት መሰረተ ልምዓት ትግራይ የጣይሽ ይትግብር፣
8. ቤተ-ፈተነ ስነ ዓቐን ትግራይ ብምጥያሽ ኣገልግሎት ዓቐን ወይ ካሊብሬሽ ይህብ፣
መሳርሒ ዓቐን ይፍትሽ፣ ይቆፃፀር፣ ስልጠና፣ ምኽሪ ወይ ደገፍ የካይድ፣ ብሉፅ
ተሞክሮ የጋፍሕ፣ ክጋፋሕ ይገብር፣
ዓንቀፅ 48. ስልጣንን ተግባርን በዓል መዚ ምሕደራን ቁፅፅርን መጓዓዝያ
1. ንዘዋሪ ሞተር ተሽከርካሪ ፍቓድ መዘወሪ፣ ምዝዋር ተሽከርካሪ ንዘምህር፣ ቴክኒክ
ምርመራን ድሕንነት ተሽከርካሪ ንዘረጋገፅ፣ ኣብ ስራሕ ንግዲ ምጉዕዓዝ ንዝዋፈር፣
ዘማኽርን ሰብ ብቕዓት መረጋገፂ ሞያ ይህብ፣ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
2. ብቕዓት ቴክኒክ ጋራዥ መፀገንን መሕደስን ተሽከርካሪ ብመሰረት ስታንዳርድ
የረጋግፅ፣ ብርኪ ይውስን፣ ንኣፈፃፅምኡ መምርሒ የውፅእ፣
3. ግልጋሎት መጓዓዝያ ድሌትን ማቻን ተገልገልቲ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ይከታተል፣
ፀገም መጓዓዝያ ወይ ህፁፅ ኩነታት ጠለብ ግልጋሎት መጓዓዝያ እንተጋጥም
ኣብ ግልጋሎት ንግዲ መጓዓዝያ ዝተዋፈረ ተሽከርካሪ ውልቀ ወይ ማሕበር
ኣገዲዱ የዋፍር፣ ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውስን፣
4. ድሕንነት ዓመታዊ ቴክኒክ ምርመራ ንዘካይድ ተሽከርካሪ መረጋገፂ ተለጣፊ ቦሎ
ክወሃብ ክትትል ይገብር፣
5. ኣብ ሰብን ንብረትን ሓደጋ ከስዕብ ዝኽእል ተሽከርካሪ ኣብ ግልጋሎት ከይውዕል
ተኸታቲሉ ይእግድ፡፡ ዝርዝር ኣፈፃፅምኡ ብዝወፅእ ደንቢ ይውሰን፣
6. ታሪፍ ግልጋሎት ንግዲ መጓዓዓዝያ ህዝቢ ይውሰን፣ ኣፈፃፅምኡ ይከታተል፣
7. ብዝኾነ ኣካል ንዝስራሕ መዕረፊ ንግዲ ግልጋሎት ተሽከርካሪ መዐቀኒ ብርኪ
የውፅእ፣ የማሓድር፣ ይከታተል፣ ቁፅፅር ውሽጢ መዕረፊ ተሽከርከርቲ ይገብር
ንኣፈፃፅምኡ መምርሒ የውፅእ፣
8. ኣብ ንግዲ ግልጋሎት ምጉዕዓዝ ህዝቢ ዝተዋፈሩ ተሽከርከርቲ ዝሰርሑሉ ስምሪት
/መርሃ-ግብሪ/ መሰረት ዝገበረ ምዃኑ የረጋግፅ፣ ኣድላይ ኮይኑ እንትርከብ ምስ
ማሕበራት፣ ትካላት መጓዓዝያ ወይ ምስ ሰብ ንብረት ተሽከርከርቲ ኮይኑ ስምሪት መርሃ
ግብሪ የዳሉ፣ መፈፀሚ ዝኸውን መምርሒ የውፅእ፣
9. ኣብ ደረቕ ፅዕነት ተሽከርከርቲ ካብ ጋቢና ወፃኢ ሰብ ምፅዓን ኣይፍቀድን ይኹን
እምበር እቲ በዓል መዚ ኣብ መጓዓዓዝያ ፅዕነት ሰብ ዝሳፈረሉ ኩነታት ክፈቅድ
ይኽእል፣ ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
10. ህዝብን ፅዕነትን ብመንገዲ ኣብ ምጉዕዓዝ ስራሕ ዝተዋፈሩ ሰባትን ትካላትን
ንዘጣይሹዎም ማሕበራት ይምዝግብ፣ ፍቓድ ይህበ፣ ይስርዝ በዝሒ ኣባላት ይውስን፣
ሞዴል ደንቢ የውፅእ፣ ኣሰራርሐኦም ይቆፃፀር፣
11. ዕብየት መጓዓዝያ ከረጋግፅ ዝኽእልን ሓደጋ ትራፊክ ዝቕንስን መፅናዕቲ የካይድ፣
ብካልኦት ዝካየድ መፅናዕቲ የተባብዕ፣
12. ኣብ ትግራይ ንዝግበር ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ከምኣድላይነቱ እንዳመዘነ ፍቓድ
ይሕለፍ ይህብ፣
13. ግልጋሎት መጓዓዝያ ንምምሕያሽን ሓደጋ ትራፊክ ንምቕናስን ኣስተምህሮ ይህብ፣
14. ሞተር ኣልባ ተሽከርካሪ ክምዝግብ፣ ሰሌዳ ክወሃብ፣ ኣካላዊን ቴክኒካውን ብቕዓት
መለኪዒ ክወፅእ፣ ፍቓድ መግንሒ ክውሃብ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
15. መንገደኛታትን ኣቑሑትን ብተሽከርከርቲ መጓዓዝያ ህዝቢ ብኸመይ ክጎዓዓዙ
ከምዘለዎም መምርሒ የውፅእ፣ ኣፈፃፅምኡ ይከታተል፣
16. ደረቅ ወደብ የስፋሕፋሕ የመሓድር፣
17. ካብን ናብን ዝተሓላለፉ ፅዕነታት ይቆፀፀር፣
ዓንቀፅ 49. ስልጣንን ተግባርን ቤት ፅሕፈት ምትእንጋድ ጥርዓን ሕብረተሰብ
1. ንዝቐርቡ ምምሕዳራዊ ተንከፍ ጥርዓንን ቅርታን ንምውሳን ዘኽእሎ መረዳእታ ሰብ፣
ፅሑፍን ከምኡ እውን ካልእ ዓይነት ክቐርብ ይእዝዝ፣ የፃሪ፣ ይምርምር፣ ውሳነ ይህብ፣
እቲ ውሳነ ክትግበር መምርሒ ይህብ፣ ንተግባራዊነቱ ይከታተል፣
2. ብስእነት ሰናይ ምምሕዳር ጥርዓን ቅርታን ዝቐርበሉ ግልጋሎት ወሃቢ ቤት ዕዮ ወይ
ኣካል ነዚ ዘመሓይሽ ማንዋል ኣሰራርሓ ይሕንፅፅ፣ መመሓየሺ ስጉምቲ ንኽውሰድ
ንዝምልከቶ ኣካል የፍልጥ፣
3. ኣብ ኣዋህባ ግልጋሎት መንግስቲ ንጥርዓንን ቅርታን መልዓሊ ዝኾኑ ምኽንያታት
መፅናዕቲ የካይድ፣ ምስ መፍትሒ ሓሳብ ንዝምልከቶ ኣካል ብምቕራብ ንክመሓየሽ
ይሰርሕ፣
4. መስርሕ ግልፅነትን ተሓታትነትን ንምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳር ንምስፋን ዘኽእል
ሜላ ይሕንፅፅ፣ ዝርዝሩ ብቤት ፅሕፈት ኣቅራብነት ብፕረዚደንት ብዝፀድቅ መምርሒ
ይውሰን፣
5. ብቓል ዝቐርቡ ጥርዓን ቅርታን ብፅሑፍ የስፍር፣ ንመቕረቢ ቅርታን የንብብ፣
ክፍርሙ ይገብር፣ ብፅሑፍ ምላሽ ክውሃቦ ንዝሓትት በዓል ዋኒን ብፅሑፍ ምላሽ ይህብ፣
6. ኣብ ምስፋን ሰናይ ምምሕዳር ምጉልባት ስርዓት ዲሞክራስን ምስ ዝሰርሑ
መንግስታውን ዘይመንግስታውን ኣካላትን ትካላትን ሓቢሩ ይሰርሕ፣
7. ምምሕዳራዊ በደል ኣሎ ኢሉ ጥርዓን ቅርታን ዘቕረበ ሰብ በዚ ምኽንያት ፀገም
ከይበፅሖ ሓለዋ ሕጊ ክግበረሉ ይሰርሕ፣ ዝርዝሩ ቤት ቤት ምኽሪ ካቢነ ሚኒስትራት
ብዘውፀኦ መምርሒ ይውሰን፣
8. ኣብ ከይዲ ምፅራይ ጥርዓንን ቅርታን ነቲ ቤት ፅሕፈት ዘይምልከት ዋኒን
እንተጋጥም ናብ ዝምልከቶ ኣካል የመሓላልፍ፣
ዓንቀፅ 50. ስልጣንን ተግባርን ኤጀንሲ ምዝገባ ወሳኒ ኩነት
1. መርሃ ግብሪ ምዝገባ ወሳኒ ኩነትን ኣጠቓቕማ መረዳእታን የዳልው ኣፈፃፅምኡ
ይከታተል፤
2. ኣብ ኣድላይነትን እንታይነትን ወሳኒ ኩነት ትምህርትን ስልጠናን ይህብ ወይ ክውሃብ
ይገብር፤
3. ፅሬትን ተበፃሕነትን ወሳኒ ኩነት ንምግምጋምን ንምቁፅፃርን ዘኽእል መፅናዕቲ
ክካየድ ይገብር። ኣብ ከይዲ ምዝገባ ዘጋጥም ፀገም ኣሰራርሓ መፍትሒ ሐሳብ የቕርብ፤
4. ምዝገባን ስርዓት ልውውጥ መረዳእታ ሰነዳት ወሳኒ ኩነት ምችው ብዝኾነ ቴክኖሎጂ
እናተሓገዘ ዝስረሓሉ ኩነታት የመቻቹ፤
5. ዝተኣከበ መረዳእታ ወሳኒ ኩነት ኣብ እዋኑ ናብ ዝምልከቶ ክመሓላለፍ ኣድላይ
ስራሕ ይፍፀም፤
6. ወሳኒ ኩነት ብብርኪ ትግራይ ማእኽል መረዳእታ ይውድብ፤ ዝዝርጋሕ ቴክኖሎጂን
ዝእከብ መረዳእታን ንሓደጋ ከይሳጣሕ ግቡእ ጥንቃቐ ይገብር፤
7. መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ፤ ማሕበራትን ምግባረ ሰናይ ትካላትን ስርዓት ምዝገባ ወሳኒ
ኩነት ዝተማልአ ክኸውን ግቡእ ድጋፍ ክገብሩ የተሓባብር፤
8. ቴምብር ይልጥፍ፣ ክፍሊት ቀረፅ ቴምብር ይቕበል፤
9. ንዝህቦ ግልጋሎት ክፍሊት የኽፍል፤
10. ንብረት ይውንን፤ ውዕሊ ይውዓዓል፤ ብሽሙ ይኸስስ፤ ይኽሰስ
11. ደንቢ ግልጋሎት ክፍሊት ረቒቕ የዳሉ እንትፀድቕ ተግበራዊ ይገብር፤
12. ምስ ስልጣንን ተግባሩን ርክብ ዘለዎ መረዳእታ ይእክብ፤ ይትንትንን ይዝርግሕን
ዓንቀፅ 51. ስልጣንን ተግባርን ኮሚሽን ትልምን ኣጀንዳ 2037 ትግራይን
1. ኣብት ግ ራ ይ ል ምዓት ማዕቀፍ እ ስትራተጂ ዝተመስረተ ሓፂር፣ ማእኸላይን
ነዊሕን እዋን ትልሚ ልምዓት የዳሉ፣ ንኣጀንዳ 2037 ኣፈፃፅማ ዝሕግዝ ናይ ፖሊሲ
ሓሳብ የቕርብ፣ ምስፀደቐ የተግብር፣
2. ብኣካላት መንግስቲ ተዳልዮም ዝቐርቡ ነዊሕ፣ ማእኸላይን ሓፂርን ትልምታት
ልምዓት መፈፀሚ ዘድሊ በጀት መርሚሩ ምስ ዓመታዊ በጀት ትግራይ ኣወሃሂዱ ንቤት
ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት ሕቶ የቕርብ፣ ብቤት ምኽሪ ምስ ፀደቐ ተግባራዊ ይገብር፣
3. ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕብባር ኣጀንዳ 2037፣ ኣብ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን
እዋን ዝትግበሩ ዝተዋደዱ ፕሮግራማትን ፕሮጀክትታትን ክዳለዉ ይገብር፣
ምስተፈቐዱ ተግባራውነቶ ምይከታተል፣
4. መፅናዕቲ ማክሮ ኢኮኖሚ የካይድ ውፅኢት መፅናዕቲ ንመንግስቲ የቕርብ፣
5. ኣብ ትግራይ ዝራኣዩ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ንምቅላልዝመፅእ ሓገዝ
ብኣግባቡኣብ ስራሕ ክውዕል ይድግፍ፣ የተሓባብር፣ የመሓድር፣ ተወሳኺ ሓገዝ
ንምርካብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ብምቕራፅን ክቕረፅ ብምግባር ሓገዝ ክህቡ
ንዝኽእሉ ኣካላት የቕርብ፣ ዝርዝሩ ካቢኔ ቤት ምኽሪ ሚኒትሪታት ብዘውፅኦ መምርሒ
ይውሰን፣
ዓንቀፅ 52. ስልጣንን ተግባርን ኤጀንሲ ስታስቲክስ
1. ስታቲስቲካውን ስነ-መሬታውን መረዳእታ ይእክብ፣ የዋድድ፣ ይትንትን፣ ንተጠቃሚ
ይዝርግሕ፣
2. ጥዕና ሕብረተሰብን ተበፃሕነት ትካላት ጥዕናን ዝምልከት ኣሃዛዊ መረዳእታ ይእክብ፤
ይውድበ፤ ይትንትን
3. ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዝተዋፈረ ማህበረሰብን ካልኦት ማሕበራዊ ዋኒናትን
ከምኡውን ተበፃሕነት አካላት ትምህርቲ ዝምልከት አሃዛዊ መረዳእታ ይእክብ፤
ይውድብ፤ ይትንትን፤
4. ኣብ ኢንዳስትን ንግድን ዝሳተፍ ሕብረተሰብ፤ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ ዝርገሐን ዕድል
ፈጠራ ስራሕን ዝገልፅ መረዳእታ ይእክብ፤ ይውድብ፤ ይትንትን፤
5. ኣብ ኮንስትራክሽን፣ ልምዓት ከተማን ኣባይትን ዝሳተፍ በዝሒ ተጠቃሚ ሕብረተሰብ
ዝምልከት መረዳእታ ይእክብ፤ ይውድብ፤ ይትንትን፤
6. ዝርገሐን ተበፃሕነትን መሰረተ ልምዓት፤ ከምኡውን ተበፃሕነት መጓዓዝያ ሓበሬታን
ዝገልፅ አሃዛዊ መረዳእታ ይእክብ ፤ይውድብ ፤ይትንትን
7. መፍረያይነት ሕርሻን ተጠቃምነት ህዝብን፤ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለን ዘይወዓለን
ተፈጥሮኣዊ ሃፍትን ኩነታትን ሓለዋ ስነ-ከባቢን ዝምልከት ንፁርመረዳእታ ይእክብ፤
ይውድብ፤ይትንትን፤
8. ንምድላው ትልሚ፣ ንመፅናዕትን ካልኦት ግልጋሎታትን ዝጠቅም ብካርታን ስእልን
ዝተደገፈ፤ፅሬት ዘለዎን እዋናውን ስነ-መሬታዊ መረዳእታ ይእክብ፤ የዳልው፤ ይትንትን፤
9. መረዳእታታት በብዓይነቶም ብምፍላይ ይውድብ፤ ዝተፈላለዩ ሜላ ብምጥቃም ናብ
ተጠቃሚ ይዝርግሕ፤
10. ኣብ ትግራይ ዝእከቡ መረዳእታታት ብምፅናዕ ፅሬቶም የረጋግፅ፤
11. ንምድላው ትልሚ፣ ንክፍፍል ቀመር በጀት፣ ንአካላት መውፃእቲ ፖሊሲ፤
ተመራመርትን ወሃብቲ ውሳነን ዝሕግዝ መፅናዕቲ የካይድ፤ ክካየድ ይገብር፤ የማኽር፤
12. ልዑል ተቐባልነት ዘለዎ ሳይንሳዊ ስታንዳርድ ተጠቒሙ ስታቲስቲካዊ
መረዳእታታት ይእክብ፤
13. ሓፈሻዊ ግምት ሃፍቲ ትግራይ የዳሉ፤ ናብ መንግስቲ አቕሪቡ የፅድቕ፤
14. ፅሬት መረዳእታ ንምሕላው ዝሕግዙ ቴክኖሎጂታት የተአታትው፤ ይከታተል፤
15. ትልምን በጀትን የዳሉ ምስ ፀደቐ ኣብ ስራሕ የውዕል፤
ዓንቀፅ 53. ስልጣንን ተግባርን በዓል መዚ ልምዓት እቶት
1. ብመንግስቲ ክምደብን ክእከብ ንዝተወሰነ ኣታዊ ይእክብ፣ ክእከብ ይገብር፣
2. ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ትግራይ መሰረት ዝገበረ መፅናዕቲ ብምክያድ ኣታዊ
የዕቢ፣ፕሮግራም ምምሕያሽ ስርዓተ ግብሪን ስርዓት ምምሕዳር ግብርን ይመርሕ፣
3. ሕግታት ግብሪ ንምፍፃም ኣድለይቲ ዝኾኑ ኣብ ኢድ ዝኾነ ሰብ ዝርከቡ ሰነዳት
ይምርምር፣ ክሲ ምምስራት ኣድላይ እንተኾይኑ ንዝምልከቶ ኣካል ውክልና ይህብ፣
4. ንኣወሳስና ግብሪ ኣድላይ ዝኾነ መረዳእታ የተኣኻኽብ፣ የዋድድ፣ ብመሰረት እዚ
መረዳእታ ግብሪ ይውስን፣ ይእክብ፣
5. ኣወሳስናን ኣትኣኻኽባን ግብሪ፣ ኣተሓሕዛ ሒሳብን ካልኦት ተዛመድቲ ስራሕትን
ይሕንፅፅ፣ ይትግብር፣
6. ናይ ከተማታት ኣታዊ ይእክብ፣ ዝርዝር ኣፈፃፀምኡ ብደንቢ ይውሰን፣
7. ኣብ ትግራይ ዝርከባ ዕሸል ከተማታት ንዝእክብዎ እቶት ዝተማለአ ሞያዊ ደገፍ
8. ይህብ፣ ዝተማለአ ዓቕሚ ንክህልወን ስልጠና ይህብ፤ ይከታተል፣ ይድግፍ፣
9. ከፈልቲ ግብሪ ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ብዝኾነ ከቢድ ሓደጋ ወይ ጥፍኣት እንተበፅሖም
ብመሰረት ሕጊ ግብሪ ክሳብ ብር 1,000,000 ዝበፅሕ ዕዳ ግብሪ ክስርዝ ይኽእል፤
ኮይኑ ግና ካብ ብር 1,000,000 ንላዕሊ ዝኾነ ይኹን ምስራዝ ዕዳ ግብሪ ብቤት ምኽሪ
ካቢኔ ሚኒስትራት ይውሰን፣
ዓንቀፅ 54. ስልጣንን ተግባርን ኮሚሽን ሓደጋ ድልውነትን ቅድመ መጠንቀቕታን
1. ንሓደጋ እዋን ዘገልግል ምግቢ፣ ግዝያዊ መፅለልን ካልኦት ኣድለይቲ ነገራትን
ተዳልዮም ክፀንሑ ይገብር፣
2. ንሓደጋ ግዘ ዝተዳለወ ምግቢ፣ መፅለልን ካልኦት ኣገደስቲ ነገራት ናብ ዝምልከቶ
ኣካል ክበፅሕ ይገብር፣ ብኣግባቡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ክበፅሑ ይገብር፣ ይከታተል፣
3. ኣብ ሓደጋ ግዘ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ የካይድ፣
4. ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብሓባር ሓደጋ ዘጋጠሞም ኣካላት ሕብረተሰብ እግሪ
ንክተኽሉ ይሰርሕ፣ የተሓባብር፣
5. ኣብ ሓደጋ ግዘ ድጋፍ እንተድሊ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምዃን ፃዊዒት ይገብር፣
ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
6. ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕብባር ሓደጋ ኣብ ዘጋጠሞ ከባቢ ኣብ ማሕበራዊ፣
ኢኮኖሚያውን ድሕንነትን ዘጋጠመ ቅልውላው ንምፍታሕ ይሰርሕ፣ የተሓባብር፣
7. ከከም ኣድላይነቱ ሓደጋ ኣብዘጋጠሞ ከባቢ እቲ ሓደጋ ክሳብ ዝውገድ ጨንፈር
ክኸፍት ይኽእል፣
8. ፕሮግራም ሰፈራ ንምፍፃም ዘኽእሉ ስትራተጂታትን ስልቲታትን ይሕንፅፅ፣
የተግብር፣

ዓንቀፅ 55. ስልጣንን ተግባርን በዓል መዚ ክትትልን ቁፅፅርን መንግስታዊ ልምዓት


ትካላት

1. ንትግራይ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ክጣየሹ ይገብር፣ ቅድም


ኢሎም ዝተጣየሹ ኣድላይነቶም እናተርኣየ ብመሰረት ኣግባብነት ዘለዎ ሕጊ ንሰብ ሃፍቲ
ክሽየጡ ንዝምልከቶ ኣካል ምክሪ ሓሳብ የቕርብ፣
2. ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብትልሚ መሰረት መደባተን ይፍፀማ ምህላወን
ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
3. ኣብ መንግስታዊ ትካላት ልምዓት ዘሎ ክፍተታት ኣፈፃፅማ ይንፅር፣ መስተኻኸሊ
ስጉምቲ ይወስድ፣
4. ትካላት ልምዓት መንግስቲ ስልጣነንን ተግባረን ኣግባብ ብዘለዎ ሕጊ መሰረት
ይፍፅማ ምህላወን ይከታተል፣ ይቆፃፀርን፣ ዝርዝሩ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስቴራት
ብዘውፅኦ መምርሒ ይውሰን፡፡
5. ብሉፃት ተሞክሮ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ብምግፋሕ ኩለን ትካላት ልምዓት
መንግስቲ ናብ ተመጣጣኒ ብርኪ ኣፈፃፅማ ንኽመፃ ኣንፈት የነፅር፣ ተፈፃሚ ንኸኸውን
ይከታተል፣ የረጋግፅ፣
6. ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምትሕብባር ኣብ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ዘጋጥም
ፋይናንሳውን ካልኦት ፀገማት ክፍትሑ ይገብር፣
7. ስሩዕን ዘይስሩዕን ምርመራን ስራሕቲ ቁፅፅር የካይድ፣ ክካየድ ይገብር፣
8. ብምርመራ ኣብ ዝተረኸቡ ግድፈት ኣሰራርሓ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ይወስድ፣
9. ሕብረተ ሰብ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት መሰረተ ልምዓት ዘልዕሎም ቅርታታት
ዝፍትሕሉ ኣንፈት የነፅር ይከታተል፣
10. ትካላት ልምዓት መንግስቲ ተዋዲዶም ክሰርሑ ክትትልን ቁፅፅርን ይገብር፣
ዓንቀፅ 56. ስልጣንን ተግባርን ኮሚሽን ስፖርት

1. ህልው ቁጠባዊ ፀገም ስፖርት ት ግ ራ ይ ክፈትሕ ዝኽእልን ልምዓት ፈንድ ስፖርት


የጣይሽ፣ ዝርዝሩ ብደንቢ ይውሰን፣
2. ብርኪ ስፖርት መዘውተሪ ስፍራ የውፅእ፣
3. ኣብ ትግራይ ዝርከብ ስፍራ መዘውተሪ ስፖርት የመሓድር፣
4. ስፖርት ህዝባዊ መሰረት ክሕዝን ክምዕብልን ዝሕግዙ ስፖርት መዘውተሪ ስፍራታት
ሕብረተሰብ ኣብ ዝነብረሉ፣ ዝማሃረሉን ዝሰርሓሉን ክህነፁ የተሓባብር፣
5. ኣብ ትግራይ ንዝጣየሹ ማሕበራት ስፖርት ፍቓድ ይህብ፣ ይቆፃፀር፣ ይድግፍ፣
የተሓባብር፣
6. ውልቀ በዓል ሃፍቲ ኣብ ዘፈር ስፖርት ዝሰርሕሉ ኩነታት የመቻቹ፣
7. ፕሮግም ስፖርት ኣዳልዩ ሕብረተሰብ የሳትፍ፣ ውድድራት ስፖርት የዳሉ፣ ንዘዳሉ
ኣካል ፍቓድ ይህብ፣
8. ስፖርታዊ ብቕዓት ሕብረተሰብ ከጎልብት ዘኽእል ስልጠና ይህብ፣ ንዝህብ ኣካል
ይድግፍ፣ ይመርሕ፣
9. ባህላዊ ስፖርት ትግራይ ክፅናዕ፣ ክመሓየሽን ክዓብን ዘኽእል ስራሕ ይሰርሕ፣
10. ቤት ምኽሪ ስፖርት ትግራይ የጣይሽ፣ ዝርዝሩ ብደንቢ ይውሰን፣
11. ንመሳለጢ ስፖርት ዝኸውን ሃፍቲ የተኣኻኽብ፣ የንቀሳቕስ፣ ዝርዝሩ ቤ ት ብደንቢ
ይውሰን፣
12. ኣብ መዘውተሪ ስፍራታት ስፖርት ዘጋጥሙ ፀገማት ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣ እዋናዊ
መስተኻኸሊ ስጉምቲ ይወስድ፣ ክውሰድ ይገብር፣
አንቀፅ 57. ስልጣንን ተግባርን ኢንስቲትዩት ምርምር ጥዕና
1. ቀዳምነት ዝውሃቦም ፀገማት ጥዕና ሕብረተሰብ ማእኸል ዝገበረ ፅንዓትን ምርምርን
ይካይድ
2. ኣብ ጥዕና ኣዴታት፣ ህፃናትን ኣባፅሕን ምርምርን ፅንዓትን የካይድ
3. ኣብ ሃገርና ቀንዲ ፀገም ጥዕና ሕብረተሰብ ዝኾኑ ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን
ሕማማት ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ፅንዓትን ምርምርን የካይድ
4. ኣብ ፋብሪካታትን ስራሕ ከባቢ ድሕንነትን ፅንዓትን ምርምርን የካይድ
5. ጠንቅታት ሓደጋ ትራፊክን ካልኦት ናይ ስነ ኣእምሮ ሕማማትን ፅንዓትን ምርምርን
የካይድ
6. ምስ ስነ መዓዛ ዝተኣሳሰሩ ፀገማት ጥዕና ሕብረተሰብ ፅንዓትን ምርምርን የካይድ
7. ሕ/ሰብ ኣብ ዝጥቀመሎም ባህላዊ መድሓኒታትን ሜላታት ሕክምናን ፅንዓትን
ምርምርን የካይድ
8. አብ ዘመናዊ መድሓኒት ዘድሀቡ ዝተፈላለዩ ፅንዓትን ምርምርን የካይድ
9. ምስ ኣፈፃፅማ መደባት ጥዕና ሃገርና ዝተኣሳሰሩ ፀገማት ተግባራዊ መፅናዕቲ
(Operational research) የካይድ፣ መመሓየሺ ሓሳብ የፍልቕ፣ንምይይጥ የቐርብ፣ኣብ
ግብሪ ንምውዓል ንዝምልከቶ ኣካል የቕርብ
10. ብሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ዝዋሃቡ ግልጋሎት ነፀርታን ውፅኢታውነቶምን
ብምግምጋምን ብምርግጋፅን ሳይንሳውን ወቕታውን መረዳእታ የቕርብ
11. ጠንቂ ጥዕና ሕብረተሰብ ክኾኑ ዝኽእሉ ሕማማት እዋኑ ብዝጠልቦ ቴክኖሎጂ
ግልጋሎት ነፀርታ ይህብ
12. ምስ ህልዊ ኩነታት ሃገርና ዝጥዓዓም ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ብምትእትታው
ብሆስፒታላት ክስርሑ ኣብዘይኽእሉ ዝተፈለዩን ዝላዓሉን ስርዓት ግልጋሎት ነፀርታ
የካይድ
13. ኣብ ማይን ምግብን ካልኦት መስተታትን ጠንቂ ጥዕና ሕ/ሰብ ዝኾኑ ታህዋስያን፣
፣መርዛም ዝኾኑ ንጥረ ነገራትን ኬሚካላትን ምርመራታት፣ፅንዓትን ምርምርን የካይድ
14. ካብ ዓቕሚ ሆሰፒታላት ብላዕሊ ዝኾኑ ንግልጋሎት ነፀርታ ዝውዕሉ ናሙናታት ስርዓት
ቅብብል ብስታንዳርድ መሰረት ንክሳለጥ ኣድላይ ክትትል ይገብር
15. ኣብ ውፅኢታውነት ሕማማት መከላኸሊ ክታበታት ፅንዓትን ምርምርን የካይድ
16. ንግልጋሎት ነፀርታ ዘገልግሉ ኪታት/ባዮቴክኖሎጂ ብፅንዓትን ምርምርን ተሓጊዙ
የፍሪ
17. ኣብ ምርምር ጥዕና ይኹን ኣብ ሃገርና ንዝርከቡ ጥዕና ትካላት ላቦራቶሪ ዉሽጣዉን
ግዳማዉን ፅፈት ስራሕቲ የረጋግፅ፤ሃገራዉን ዓለምለኻዉን ኣፍልጦ ንኽረኽቡ ይገብር
18. ካብ ወፃኢ ዓዲ ዝኣትዉ ይኹኑ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝምረቱ ኬሚካላት፣ኪታትን
ካልኦት ናይ ላቦራቶሪ እታዎታትን ብ ናይ ውድብ ጥዕና ዓለም ዘቐመጦም መለክዒ
ረቛሕታት ተጠቒሙ ፅሬቶም የረጋገፅ
19. ምስ ላዕለዎት ትካላት ምርምር፣ ትካላት ትምህርቲ፣ መዳርግቲ ኣካላትን ካልኦት
ሴክተራትን ብምትሕብባር ኣብ ዝፍጠሩ ናይ ጥዕና ፀገም ተሓባቢሩ ይሰርሕ
20. ብቑዕን ፀገም ፈታሕን ዝኾነ ብዝለዓለ ቴክኖሎጂ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ንክህሉ
ይሰርሕ፤ዝላዓለ ዓቕሚ ዘለዎም ተመራመርቲ ናብቲ ትካል መፂኦም ክሰርሑ ባይታ
የመቻቹ
21. ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ብምቕራፅን እቶት ብምትእልላሽን ዓቕሚ ሃፍቲ እቲ
ኢንስቲትዩት የዕቢ፣ ስራሕቲ ብዝሐሸ መንገዲ ንምስላጥ የውዕል
22. ዉፅኢት ምርምርን ፅንዓትን ሕ/ሰብ ንኽፈልጦምን ንኽጥቀመሎምን ንሚኒስትሪ ጥዕናን
ካልኦት ዝምልከቶም ውሳነ ወሃብቲ ትካላትን የቕራብ
ዓንቀፅ 58. ስልጣንን ተግባርን ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ

1. ሰለጤንን ፅሬትን ትምህርቲ ይከታተል፣ ይግምግም፣ ይቆፃፀር፣ ዝርዝሩ ብዝወፅእ


መምርሒ ይውሰን፣
2. መንግስታውን ዘይመንግስታውን አፀደ ህፃናት፣ ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ
ትምህርቲ ብዝተውሃበን መመዘኒ ብቕዓት ፅሬት ይቆፃፀር፣
3. በቢብርኪ ትምህርቱ ዝዋሃብ ፈተና ብዝተቐመጠ ስታንዳርድ ምዃኑ ይከታተል፣
ይቆፃፀር፣ ይግምግም፣
4. ብቕዓት ተምሃሮ ብብርኪ ትግራይ ዝወሃብ ፈተና ስታንዳርድ መሰረት የረጋግፅ፣
5. ኣብ ሕድ ሕድ ብርኪ ትምህርቲ ዘሎ ቅበላ ትምህርቲ ይከታተል፣ የረጋግፅ፣ ይቆፃፀር፣
6. መመዘኒ ብቕዓት ሞያ መምህራን፣ ርእሰ መምህራንን ሱፐርቫይዘራትን የነፅር
ብቕዓትሞያ መምህራን የረጋግፅ፣ ብቕዓት ሞያ መረጋገፂ ምስክር ወረቐት ይህብ፣
ኣድላይ ድጋፍ ይህብ፣
7. ብውፂኢት ቁፅፅር ንዝንፀር ግድፈት መስተኻኸሊ ስጉምቲ ይወስድ፣ ንክውሰድ
ይገብር፣

ዓንቀፅ 59. ስልጣንን ተግባርን በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣ መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን
1. ድሕንነት፣ ፅሬትን ፈዋስነትን ምግብን መድሓኒትን ከምኡውን ኣገባብ ኣጠቃቕማ
መሳርሒ ሕክምና፣ ፅሬትን ውፅኢታውነትን በዚ ኣዋጅ መሰረት ቁፅፅር ዝግበረሉ ካልእ
ምህርቲ ደረጃ ንክወፀሉ ሓሳብ ይህብ፣ ብርኪ ደረጃ እንትፀድቁ የፈፅም፣ ኣግባብነት
ዘለዎም ናይ ካልኦት ዓድታት መፅሓፍ መድሓኒት ወይ ናይ መምርመርቲ ሜላ
ምርመራ ይቅበል፣
2. መድሓኒት፣ መሳርሒ ሕክምናን ምግብን ካልእ በዚ ኣዋጅ ወይ ነዚ ኣዋጅ ንምፍፃም
ብዝወፅእ ደንብን መመርሕን መሰረት ክምዝገብ ዝግበኦ ምህርቲ ብዝምልከት ተፈፃሚ
መዐቀንታት መሰረት ብምግባር ገምጊሙ ይምዝግብ፣ ፍቃድ ዕዳጋ ይህብ፣ የሕድስ፣
ይእግድ፣ ይስርዝ፣ ወይ ካልእ ሕጋዊ ስጉምቲ ይወስድ፣
3. ቁፅፅር ዝግበረሉ ምህርቲ ክማልኡ ዝግበኦም ዘይተማልኡ እንትተርፉ ከከም
ኣድላይነቱ ነቲ ምህርቲ ክሕዝ፣ ክውገድ ክገብር፣ ካብ ዕዳጋ ክእከቡ፣ ብሕጊ ኣግባብ
ክውረሱ ወይ ብካልእ ኣግባብ ስጉምቲ ክውሰደሎም ይገብር፣
4. ብፈፃሚ ኣካል ኣፍልጦ ናብ ዕዳጋ ክኣቱ ዝተገበረ ብችርቻሮ፣ ወይ ፈፃሚ ብቕዓት
መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ብዘይሃቦ ብካልእ ትካል ትሕዝቶ ብዘይቁፅፅር ዝኣተወ
ምህርቲ ዝምልከት ክፍለ፣ ክምርመር፣ ሳምፕል ክውሰድ፣ ከምኡውን ኣብ ልዕሊ እቲ
ምህርቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል
5. ቁፅፅር ዝግበረሉ ምህርቲ ብምክላሱ ወይ ብካልእ ሕጋዊ ብዘይኮነ ምኽንያት ሞት፣
ሕማም፣ ጉድኣት ኣካል፣ ወይ ስእነት ጥዕና፣ ወይ ካልኦት ፀገማት ጥዕና ዘስዓበ ምህርቲ
ወይ ትሕዝቶ ይፈሊ፣ ብሳፕል መሰረት መፅናዕቲ የካይድ፣ ውፅኢቱ መሰረት ብምግባር
ኣድላይ ስጉምቲ ይወስድ፣
6. ቁፅፅር ዝግበረሉ ምህርቲ ጥረ ኣቅሑትን መዐሸጊ ኣቅሑትን ናብ ዓዲ ውሽጢ ናይ
መእተዊ ፍቃድ ይህብ፣ ከምኡውን ሕቶ እንትቅርበሉ ናብ ወፃኢ ዓዲ ዝልኣክ ብቅዓት
መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ይህብ፤
7. መሰረታዊ ዝርዝር መድሓኒት የዳልው፣ ከከም ኣድላይነቱ ይኽልስ፣ ዝተመዝገበ
ምግብን መድሓኒትን ዝርዝር ንህዝቢ የፍልጥ፣ ቀመር መድሓኒት የውፅእ፣ መድሓኒት
ብዝተፈላለዩ ብርክታት ይከፋፍል፣ ነቲ ምድብ ከከም ኣድላይቱ ይኽልስ፣
8. ድሕንነት ምግቢ፣ ፅሬት መድሓኒት፣ ድሕንነትን ፈዋስነትን መሳርሕታት ሕክምና
ፅሬት ውፅኢታውነትን ንምቁፅፃርን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ምህርቲ ድሕረ ዳህሳስ ዕዳጋ
ክግበር ክእዝዝ ወይ ከካይድ ይክእል፣ ኣብ ድሕረ ዕዳጋ ዳህሳስ ብውፅኢት መሰረት
ኣድላይ ስጉምቲ ይወስድ፣
9. ዓለም ለካዊ ደረጃ ክኽተል ዝግበኦ ምህርቲ መድሓኒት ደሕንነት መድሓኒት፣ ክትትል፣
ነባርን ሓደሽን ጎዳእቲ ተፃብኦታትን መረዳእታ ይከታተል፣ ኣግባብነት ዘለዎ ስጉምቲ
ይወስድ፣
10. ሕቶታት ፈተነ ሕክምና እናመርመረ ይፈቅድ፣ እቲ ፈተነ ብፅቡቅ ስርዓት ሕክምና
ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣ ውፅኢቱ ብምግምጋም ንሕብረተሰብ ጥቅሚ
ብዝህልዎ መልክዑ ኣብ ስራሕ ክውዕል ይፈቅድ፣ ኣድላይ እንተኮይኑ እቲ ፈተነ
ሕክምና ክእገድ ወይ ጠጠው ክብል ትእዛዝ ይህብ፣
11. መድሓኒትን መሳርሒ ሕክምናን ኣግባብ ኣጠቓቕማ ይቆፃፀር
12. ኖርስቲክ መድሓኒት፣ ሳይኮትራፒክ መድሓኒት፣ ፕሪከርሰን ኬሚካል ምህርቲ
ምፍራይ፣ ናብ ሃገር ውሽጢ ምእታው፣ ናብ ወፃኢ ዓዲ ምልኣኽ፣ ምክፍፋል፣ ዕደላ፣
ኣጠቃቕማ፣ መረዳእታ ኣተሓሕዛ ኣለኣእካ ፀብፃብን ኣብ ኣወጋግዳ ቁፅፅር ይገብር፣
ብዘይ ኣግባብ ኣብ ስራሕ ከይውዕል ይከላኸል
13. ኣብ ልዕሊ ትምባኾ ቁፅፅር የውፅእ፣ ትካል ጥዕና ዓለም ቁፅፅር ትምባኾ ማዕቀፍ
ኮንቨንሽን መሰረት መፈፀሚ መምርሒ የውፅእ፣ ኣፈፃፅኡ ይከታተል፣
14. ኣብ ምህርቲ ትምባኾ ትሕዝቶ ተተሓዝቲ መረዳእቲ ግልፂ ብምግባር ኣሰራርሕኡ፣
ኣተዓሻሽግኡ ግልፂ ፅሑፍ ናብ ውሽጢ ዓዲ ምእታው፣ ብጅምላ ምሻጥ ምክፍፋል፣
ምፍላጥን ስፖንሰርሽፕ ተተሓሒዙ ምህርቲ ትምባኾ ብትካል ዓለምለኸ ጥዕና
ኮንቨክሽንን ብናይቲ ኮንቨንሽን መፈፀሚ መምርሒ ይቆፃፀር፣
15. ኣገልግሎት ዘመኑ ዝሓለፎን ምግብን መድሓኒትን ክውገድ ይገብር፣
16. ኣብ ዝህቦ ግልጋሎት ክፍሊት ግልጋሎት ይእክብ፣ ዝኣከቦ ክፍሊት ኣግባብነት ብዘለዎ
ሕጊ መሰረት እንትፍቀድ ንጥዕና ቁፅፅር ዕላማ የውዕል፣
17. ናይ ግሊ ይኩን መንግስታዊ ትካላት ጥዕና ፍቃድ ይህብ፣ ይቆፃፀር፣ ይዕሽግ፣ ፍቃድ
ይስርዝ፣

ዓንቀፅ 60. ስልጣንን ተግባርን ኤጀንሲ መድሕን ጥዕና


1. ስርዓት መድሕን ጥዕና ንምፍጻም ዘኽእል ቅልጡፉን ብቕዓት ዘለዎን ኣሰራርሓ
ይዝርግሕ ይትግብር፣
2. ንስርዓት መድሕን ጥዕና ዝኽፈል ወርሓዊ/ዓመታዊ ክፍሊት ይእክብን የማሓድርን፣
3. ብቕዓቶ ምስ ዝትረጋገፀትካላት ጥዕና ዉዕል ይኣስር ንዝሃብዎ ግልጋሎት ክፍሊት
ይፍፅመሎም ከምኡ እዉን ኣወሃህባ ግልጋሎቶመ ይከታተል፣
4. ኣባላት/ተጠቀምቲ ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ጥዕና ዘለዎም ሪኢቶን ጥርዓናትን ይቕበል
ይምርምር ኣድላይ ዘበለ መፍትሒ ይህብ፣
5. ስርዓት መድሕን ጥዕና ከተግብሩ ኣብ ዝግበኦም ትካላትን ከባቢታትን ማሕበረሰብን
እናተትግበረ ምካኑ የረጋግፅ፣
6. ስርዓት መድሕን ጥዕና ዝስፋሕፍሐሉን ዝጠናኸረሉን መንገድታት ብምንዳይ
የመቻቹው ኣብዚ ተግባራት እዚ ዝዋፈሩ ኣካላት የተባብዕ የተሓባብር፣
7. ኣብ ስርዓት መድሕን ጥዕና ዘድህቡ ተኸታተልነት ዘለዎም ናይ ህዝቢ/ሕ/ሰብ ግንዛቤ
መዕበይ ስልጠናታት/ትምህርቲ ይህብ፣
8. ኣብ ስርዓት መድሕን ጥዕና ማዕቐፍ ጥቕሚ /ፓኬጅ ግልጋሎት ጥዕናን መጠን
ዓመታዊ /ወርሓዊ ክፍሊትን ንምኽላስ ኣድላይ ዘበለ ፅንዓት ይገብር ዉፂኢቱ ድማ
ምስዝወሃቡ ሪኢቶታት ናብ ዝምልከቶ ኣካል የቕርብ እንትፍቀድ ድማ ተግባራዊ
ይገብር፣
9. መንግስቲ ብዝህቦ መምርሒ /ኣንፈት መሰረት ኢንቨስት ክገብር ይኽእል ዓቕምን
ዘላቕነትን ፋይናንስ ስርዓት መድሕን ጥዕና ዘረጋግፁ ስጉምትታት ይወስድ፣
10. ኣድላይ ኾይኑ እንተረኺቡዎ ስልጣኑን ሓላፍነቱን ብኽፋል ኣግባብ ንዘለዎም ትካላት
ዉክልና ይህብ፣

ዓንቀፅ 61. ስልጣንን ተግባርን ኤጀንሲ ኣቕርቦት መድሓኒት


1. ብፈንድ መድሓኒት ብምጥቃም ኣብዚ ሃገር ዘለዉ ዋና ዋና ናይ ጥዕና ፀገማት ዘተኮረ
ፅሬቶም ዝተረጋገፁ ኣድለይቲ ዝኾኑ መድሓኒታት ብመጠን፣ ብዝተመጣጠነ ዋጋን፣
ቀፃልነት ብዘለዎ መንገዲ ንመንግስታዊ ግልጋሎት ትካላት ጥዕና ምቅራብ ዘኽእል፣
ቅልጡፍን ብቁዕን ዝኾነ ናይ ዕደጋን ክፍፍልን ስርዓት ይዝርግሕን ይትግብርን፣
2. ዘመናዊ ዕቀባ መድሓኒታት ምሕደራ ንምህላው ዘኽእል ኣሰራርሓ ብምዝርጋሕ
ተመጣጣንን ጉቡእ መድሓኒት ዕቀባን ዘይቛርፅ ቀረብ ክህሉ ይገብር፣
3. ናይ ዕቀባን ክፍፍል መንገድታትን ፍትሓውን ውፅኢታውን ብዝኾነ መልክዑ
የስፋሕፍሕን የጠናኽርን፣
4. ብዝምልከቶ ሕጋዊ ኣካል ድሕንነቶምን ፈዋስነቶምን ፅሬቶም ዝረተረጋገፀ
መድሓኒታት ንመንግስታዊ ትካላት ጥዕና የቅርብ፣ ኣድላዪ ኮይኑ እንትርከብ እኹል
መጠን ክቀርበሎም ዘይከኣሉ ዝተመረፁ መድሓኒታት ቦርድ ብዘውፀኦ መምርሒ
መሰረት መንግስታዊ ንዘይኮኑ ውልቀ ትካላት ጥዕና የቅርብ፣
5. ንምጉዕዓዝ ስርዓት ብዝምችው መልክዑ መድሓኒታት ብቀጥታ ንወረዳታት፣
ንሆስፒታላትን ንጥዕና ጣብያታትን የብፅሕ፣
6. ኣብቲ ዘርፊ ምስ ዝዝርጋሕ ስርዓት ዝጠዓዓሙ ዘመናዊ ናይ ሎጂስቲክስ ወይ ቀረብ
ስርዓት ሓበሬታ ይዝርግሕ፣
7. ትልሚ ሓፂር፣ ማእኸላይን ነዊሕን ግዜ ዕደጋ፣ ክፍፍል፣ ዝዕቀቡን ዝጎዓዓዙን
መድሓኒታት ብምዝግጃው ይትግብርን ኣፈፃፅምኡ ይግምግምን፣
8. ኣብ ዘካይዶም ዘርፊ ስራሕቲ ሞያዊ ምኽርን ግልጋሎትን ስልጠናን ይህብ
9. ኣድላዪ ኮይኑ ተተረኺቡ ኣማኸርቲ ኮሚቴታት የጣይሽ፣ ስራሕቶም ይምርሕን
የተሓባብርን፣
10. ዝወሃብ ግልጋሎት ቦርድ ብዘውፀኦ መምርሒ መሰረት ክፍሊት የኽፍል፣
11. ኣብ ትካሉ ዘሎ ንብረት ብዓል ዋና ይኸውን፣ ውዕሊ የወዓዕል፣ ብባዕሉ ሽም ይኸስስን
ይኽሰስን ፣ ዕላምኡ ንመስኻዕ ዝደልዮም ካልኦት ተግባራት ይፍፅም፣

ዓንቀፅ 62. ስልጣንን ተግባርን ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ


1. ልዑል ኣበርክቶን፤ ቅያን ሓርበኛታት ትግራይ ክስነድን ክዕቀብን የተሓባብር፤
ይሰርሕ፤
2. ንሓርበኛታት ትግራይ ኣፍልጦ ዝውሃበሉ ስርዓት ይዝርግሕ፤
3. መረዳእታ ውልቀ ማህደር ሓርበኛታት ትግራይ ብዘመናዊ አገባብ ይምዝግብ፣
ይዕቅብ፣
4. ተሞክሮ፤ ሕሉፍ ቅያን ታሪኽን ሓርበኛታት ትግራይ ናብ መንእሰይ ወለዶ
ንምምሕልላፍ ዘኽእል ኣንፈት የነፅርን ታሪኽ ንክወራረስን ይሰርሕ፣
5. ዝልዓለ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሓርበኛታት ትግራይ ናብ ዝምልክቶ አካል ብምቕራብ
ናይ ክብሪ ኒሻን ክሽለሙ ይሰርሕ። ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
6. ምስ መንግስታውን ዘይመንግስታውን አካላት ብምትሕብባር ከከም ኩነታቱ
እናተርኣየ ኣብያተ ፅሕፈትን ማእከላትን ሓርበኛታት ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ
ከተማታት ትግራይ ብምህናፅ ማእከል ተሞክሮን መፅናዕትን ንክኾኑ የተሓባብር ይሰርሕ፣
7. ሓርበኛታት ትግራይ ብመስዋእቲ እንትፍለዩ ግቡእ ክብሪ ረኺቦም ኣብ መዕረፊ
ቦታ ተጋደልትን ሓርበኛታት ትግራይን ክዓርፉ ይሰርሕ፤
8. መንበሪ ገዛ፣ ናፃ ሕክምና ዝረኽብሉ ኩነታት ፣ንዘላቒ መነባብሮ ክህልዎም ዘኽእል
ባይታ፣ ንዓርሶምን ስድርኦምን የዳሉ ወይ ክደሎ ይገብር፣ዝርዝሩ ብመምርሒ ይውሰን፣
9. ካብ መንግስታውን ዘይመንግስታዊ ትካላት ሃፍቲ የተኣኻኽብ፣ ብመሰረት ሕጊ
ፋይናንስ ኣብ ስራሕ የውዕል፣
ዓንቀፅ 63. ስልጣንን ተግባርን ኤጀንሲ ምዘናን ምርግጋፅ ብቕዓትን
1. ምዘና መረጋገፂ ብቕዓት ሞያ ይህብ ፤ብስሩዕ ፕሮግራም ስልጠና ካብ ዝተፈላለዩ
ትካላትን ኮሌጃትን መሰልጠንቲ ቴክኒክን ሞያን ብዝተፈላለየ ሞያታት ዝተመረቑን
ዝምረቑን ከምኡውን ስሩዕ ብዘይኾነ ብልምዲ ክእለት ንዘጥረዩ ሰባት ምዘና መረጋገፂ
ብቕዓት ብምሃብ ብቑዓት ኮይኖም ንዝተረኸቡ ወረቐት ምስክር መረጋገፂ ብቕዓት
ይህብ፤
2. ንኣመራርሓን ሰራሕተኛታት መንግስቲ በቢእዋኑ ይምዝን፣ ወረቐት ምስክር መረጋገፂ
ብቕዓት ይህብ፤
3. መሰልጠንቲ ኣካላትን ኮሌጃትን መንግስትን ውልቀ ሰብ ሃፍትን ዝህብዎም
ስልጠናታት ጠለብ ዕዳጋ መሰረት ዝገበረን ፅሬቱ ዝሓለወን ንክኸውን ብመፅናዕቲ
ዝተደገፈ ሞያዊ ምኽርን ደገፍን ይገብር፤
4. ትልሚታትን ፕሮግራማትን ንምዕዋት ግቡእ ዝኾነ ስርዓት ክትትል፣ ቑፅፅርን
ገምጋምን ይዝርግሕ፣
5. ካብ ኢንዱስተሪን ዝተውፃፅኡ ሕፁያት መዘንቲ ኣብ ሜላ ኣመዛዝና ስልጠና ብምሃብ
በቢብርኩ ምስመዘነ በቲ ምዘና ብቕዓቶም ንዝተረጋገፀ መዘንቲ ፍቃድ ምምዛን ይህብ፤
6. ኣብ ዝተፈላለዩ ዋኒናት ሞያ መፅናዕቲ ምርምርን ብምግባር ኣብ ትካላት ወይ
ኮሌጃት ዝውሃብ ስልጠናን ትምህርትን ቴክኒክን ሞያን ፅሬቱ ዝሐለወን ዕዳጋ ተኮር
ክኸውን ንምግባር ብመሰረት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዘውፅኦ ምደባ ብርኪ ሞያ ምዘና
ብምክያድ ብቕዓቶም የረጋግፅ፤
7. ኣብ ትግራይ ካብ ዝርከቡ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላትን
ኢንዱስትሪታትን ኮሌጃትን ግልጋሎት ምዘና ክህቡ ዝኽእሉ ማእኸላት ብምምራፅ
ኣፍልጦ ማእኸል መመዘኒ ይህብ፤
8. ተመን ክፍሊት ምዘና ንምዘና ብዝወፅእ ጥረ ኣቑሑት፣ ክፍሊት መዘንትን
ሱፐርቫይዘራትን፣ ምስ ማሽነሪ መጠን ተቐናናሲ ወይ መጠን እርጋን ምስወፃኢ ሓይሊ
ኤሌክትሪክ፣ ምድላው ሕቶታት ምዘናን ካልኦት ወፃእታትን እዋናዊ ዋጋ ዕዳጋ ብምፅናዕ
ንሚኒስትሪ ፋይናንስ ብምቅራብ ንኽፀድቕ ይገብር፤
9. ምዘና፣ መረጋገፂ ብቕዓትን ተግባራት ሰርተፊኬሽን ብዝምልከት ስትራቴጂክ ትልሚ
ብምውፃእ ተግባራዊ ይገብር፤
10. ስራሕቲ ምርግጋፅ ብቕዓት ብመሰረት ብዝተቐመጠ ስታንዳርድዝፍፀሙ ምዃኖም
ይከታተል፤
11. ብርኪ ብቕዓትን ፅሬትን እቲ ኤጀንሲ ንምዕባይ ሓይሊ ሰብን ናውትን ዝተማለአ
ብምግባር ምችው ኩነታት ስራሕ ይፈጥር፤
12. ተመሳሳሊ ዕላማ ምስ ዘለዎም ትካላት ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ርክብ ስራሕ ይፈጥር፤
ዓንቀፅ 64. ስልጣንን ተግባርን ኣካዳሚ ኣመራርሓን መለስ ዜናዊ

1. ፖሊሲን መምርሒን ኣፈፃፅማ ኣመራርሓ ትምህርቲ፣ ስልጠና፣ መፅናዕትን ምርምርን


ግልጋሎት ምኽሪን የዉፅእ፣ ይፍፅም፣
2. ኣሳታፊ ብዝኾነ ኣገባብ ፕሮግራም ትምህርቲ ቅድመን ድሕረን ምረቓ ኣመራርሓ
ይቐርፅ፣ የማዕብል፣ ይፍፅም፣
3. ጥበብ ኣመራርሓን ሞያዊ ብቕዓትን ንምዕባይ ዘኽእል ብመፅናዕቲን ምርምርን
ዝተደገፈ ማእኸላይን ሓፂርን ጊዜ ፕሮግራም ስልጠና ብምድላው ንኣመራሓን ሲቪል
ሰርቫንትን ስልጠና ይህብ፣
4. ኣብ ትካላዊ ሪፎርም፣ ኣወዳድባን ስርዓት ኣሰራርሓን ንመንግስታዊ ቤት ዕዮ፣ ትካላት
ልምዓት መንግስትን ውልቀን ስልጠናን ግልጋሎት ምኽሪ ይህብ፣
5. መፅሓፍ፣ ሞጁል፣ ማንዋልን ካልእ ኣድላይ ናውት ትምህርትን ስልጠናን ኣመራርሓ
የዳሉ፣ ተግባራዊ ይገብር፣
6. ኣብ ኣተሓሳስባ፣ ፅንሰ ሓሳብን ተግባርን ልምዓታዉን ዲሞክራሲያዉን መንግስቲ
መፅናዕትን ምርምርን ብምክያድ ውፅኢቱ የሕትም፣ የጋፍሕ፣
7. ሓሳባት ሪፎርም ብምምንጫዉን ተሞክሮ ብምቕማርን ኣካል ስርዓተ- ትምህርትን
ስልጠናን ክኸውን ብምግባር ኣብ ስራሕ የዉዕል፣
8. ቅድመ ስልጠና፣ ከይዲ ስልጠናን ድሕሪ ስልጠናን ይከታተል፣ ይድግፍ፣ ብርኪ
ብቕዓትን ፅሬትን ይዕቅን፣
9. ዉፅኢት ዝተዉሃበ ግልጋሎት ትምህርትን ስልጠናን ብምፅናዕ ፕሮግራም ትምህርትን
ስልጠናን የማዕብል፣
10. ምስ ኣመራራሓ ተተሓሒዙ ኣብ ትኹረት ኣንፈት ልምዓት ትግራይ፣ ፕሮግራም
ሪፎርምን መፅናዕትን ምርምርን የካይድ፣ርክባት የሐትም፣ የጋፍሕ፣ ትምህርትን ስልጠናን
ኣመራርሓ ንምምዕባል ከም እታወት ይጥቀም፣
11. ኣብ ለውጢ ኣመራርሓን ሰናይ ምምሕዳርን መፅናዕትን ምርምርን የካይድ፣ዉፅኢቱ
ንመዳርግቲ ኣካላትን ተገልገልትን ዕላዊ ይገብር፣
12. ብርኩ ዝሓለወ መፅሄትን ጋዜጣን ትምህርቲ፣ ስልጠናን ምርምርን ኣመራርሓ
የዳልው፣ የሐትም፣ የጋፍሕ፣
13. ምስ ኣመራርሓ ዝተተሓሓዘ ሰሚናር፣ ዓውደ መፅናዕትን ሲምፖዝየምን የዳልው፣
የካይድ፣
14. ስታንዳርድ ፅሬትን ኣግባብነትን ፕሮግራማት ትምህርቲ፣ ስልጠና፣ መፅናዕትን
ምርምርን ግልጋሎት ምኽሪን ኣካዳሚ የዉፅእ፣ ተግባራዉነቱ የረጋግፅ፣
15. ከም ኣድላይነቱ ኣብ ትግራይ ውሽጥን ካብ ትግራይ ወፃእን ምስ ዝርከብ ትካል
ትምህርቲ፣ ስልጠናን ምርምርን ርክብ ይፈጥር፣
16. ብኣካዳሚ ዝወሃብ ፕሮግራም ትምህርትን ስልጠናን ንዝወድኡ ምሩቓት ወረቐት
ምስክር፣ ዲፕሎማ፣ ባችለር ዲግሪ፣ ማስተርስ ዲግሪ ወይ ዶክትሬት ዲግሪ ወይ ካልእ
ተመሳሳሊ ብርኪ ዘለዎ ዲግሪ ይህብ፣
17. ልዑል ዉፅኢት ንዘመዝገቡ ንሕብረተሰብ ዝለዓለ እጃም ንዘወፈዩ ዉልቀ ሰባት
ኣፍልጦ፣ሽልማት ወይ ዲግሪ ክብሪ ይህብ፣
18. ኣግባብነት ዘለዎ ትካላዊ መሓዉርን ኣወዳድባን ይፈጥር፣ ኮሌጅ፣ ኢንስቲትዩት፣
ፋኩልቲ፣ ዳይሬክቶሬት፣ ማእኸል፣ ክፍሊ ትምህርትን ስልጠናን፣ ምኽሪን መፅናዕትን
ምርምርን ኣካዳሚ ይዉድብ፣ የማሓይሽ፣
19. መዐቀኒ ኣካዳሚ ዘማልአ ካብ ካልእ ዝመፅእ ተምሃራይን ሰልጣንን ተቐቢሉ
ከምህርን ከሰልጥንን ይኽእል፣ ከከም ኣድላይነቱ ክፍሊት የኽፍል፣
20. ብመሰረት መተሓዳደሪ ደንቢ እቲ ኣካዳሚ ሰራሕተኛ ኣካዳሚክ፣ ስልጠና፣ ቴክኒክን
ይቖፅር፣ የመሓድር፣ ብመሰረት ሕጊ ሰራሕተኛ መንግስቲ ሰራሕተኛ ምምሕዳር
ይምልምል፣ የወዳድር፣ ይሓሪ፣ ይቖፅር፣ የመሓድር፣ ዓቕሚ የዕቢ፣
21. ንዝህቦም ግልጋሎት የኽፍል፣ ዝረኽቦ ኣታዊ ኣብ ትምህርትን ስልጠናን፣ ግልጋሎት
ምኽሪ፣ መፅናዕትን ምርምርን የዉዕል፣ ፈንድ ምርምርን ምህዞን የጣይሽ፣ ዝርዝሩ
ብደንቢ ይውሰን፣
22. ዉሽጣዊ መተሓዳደሪ ደንቢ ሰኔት የዉፅእ፣ የፈፅም፣
ዓንቀፅ 65. ስልጣንን ተግባርን ኮሚሽን ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን
1. ኣፈፃፅማ ስርዓት ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን መንግስቲ ግልፅነትን ስርዓት
ተሓታትነትን ብዘስፍን መልክዑ ምፍፃሙ የረጋግፅ፣ ሕጋዊ መስተኻኸሊ ስጉምቲ
ይወስድ፣ ክውሰድ ይገብር፣ ከከም ኣድላይነቱ መመሓየሺሓሳብ የቕርብ፣
2. ስትራቴጅክ ዕደጋ ዝግበረሉ ኩነታት ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ የማኽር
እንትፍቀድ ይፍፅም፣
3. ብሕጊ ካብዝተፈቐደ መተባብዒ ወፃኢ ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ኣፈላላይ ከይፍጠር
ይከታተል፣
4. ንሕግን መትከላት ዕደጋን ንብረት ምምሕዳርን ሕጊ ብዘይፃባእ መልክዑ ንፍርያት
ውሽጢ ዓዲ የተባብዕ፣
5. ተሽከርከርቲ፣ ዓበይቲ መሸናትን ብጥሙር ይዕድግ፣ የወግድ፣ ከምኣድላይነቱ ውክልና
ይህብ፣
6. ኣብ ኣፈፃፅማ ዕደጋ መንግስቲ ሸለልትነት ንዘርአየ መቕረቢ ኣግባብነት ብዘለዎ
ሕጊ መሰረት መጠንቀቕታ ይህብ፣ ንዝተወሰነ ወይ ንዘይተወሰነ ግዘ ካብ መቕረባይነት
ይእግድ፡፡ ዝርዝሩ ከከም ኣድላይነቱ ብደንቢ ወይ መምርሒ ይውሰን፡፡
7. ኣብ መንግስታዊ ትካላት ልምዓት ዘሎ ዋጋን ፅሬትን ኣብ ዕዳጋ ካብ ዘሎ ዋጋን
ፅሬትን ዝሓሸ እንተኾይኑ፣ ረብሓ መንግስትን ህዝብን ዘረጋግፅን ውድድር ናፃ ዕዳጋ
ዘይፃባእ ምዃኑ ንእንተረጋግፅ ካብ መንግስታዊ ትካል ልምዓት ብቐጥታ ዕዳጋ ክፍፅም
ክፈቅድ ይኽእል፤
8. ኣብ ኣፈፃፅማ ዕደጋ ንምውጋድ ንብረትን መንግስቲ ዝዳሎ መወዳደርን መገምገምን
ረቛሒ ዝውሰን ውሳነ ፍትሓዊን ሕጋውን ምዃኑ የረጋግፅ፣
9. ተግባራት ኣፈፃፅማ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ኣግባብነት ብዘለዎ ሕጊ ምፍፃሙ
የረጋግፅ፣
10. ኣብ ኣዋጅ ስርዓት ዕደጋን ምምሕዳርን ንብረትን ቁፅሪ 255/2007 ዓ/ም ንቢሮ
ትልምን ፋይናንስን ንሓላፊ እቲ ቢሮን ዝተውሃበ ስልጣንን ተግባርን ብቕደም ሰዓብ
ንኮሚሽን ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን ንሓላፍን ተሰጋጊሩ ኣሎ፣
ዓንቀፅ 66. ስልጣንን ተግባርን ኢንስቲትዩት ፖሊሲ መፅናዕትን ምርምርን
2. ኣብ ስራሕ ዘለዉ ፖሊሲታትን ስትራተጂታትን ተመስሪቱ እዋናውነቱ ዝሓለወን
ዕምቆት ዘለዎን መፅናዕትን ምርምርን የካይድ፣
3. በብእዋኑ ዝመፁ ለዉጥታት መሰረት ዝገበረ ሓሳባት ፖሊሲን ስትራተጂን
የመንጭዉ፣
4. ልእኽቶ መንግስቲ ንምዕዋት፣ ድጋፍን ኣመራርሓን መንግስቲ ንምጥንኻር ዝሕግዝ፣
ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ተወዳዳርነት ንምርግጋፅ ዘኽእል ህንፀት ትካላት ኣመልኪቱ
መበገሲ ሓሳብ የመንጩ፣ መፅናዕቲ የካይድ፣
5. ኣብ አፈፃፅማ ዝተፈላለዩ ፖሊሲታትን ስትራተጂታትን ዘጋጥሙ ፀገማት ኣመልኪቱ
መፅናዕትን ምርምርን የካይድ፣ መፍትሒ ሓሳብ የመንጩው፣
6. ፖሊሲን ስትራተጂን ክልልና ተግባራዊ ንምግባር ድልየት፣ ፍልጠትን ድልውነትን
ዘለዎም ተመራመርቲ ብስፍሓት የሳትፍ፣
7. ከከም ኣድላይነቱ ምስ ዩኒቨርስቲታትን ካልኦት ትካላት ምርምርን ብምትሕብባር
መፅናዕትን ምርምር ፖሊሲን ስትራተጅን የካይድ፣
8. ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር መፅናዕትን ምርምርን ፖሊሲን ንምምዕባል
መድረኽ ሰሚናርን ዋዕላን ብምድላው ሓፀርቲ ስልጠናታት ይህብ፣ ዝፀደቐ ውፅኢት
ምርምር ይሕትምን ይዝርግሕን፣
9. ንኢንስቲትዩት ምርምርን መፅናዕትን ፖሊሲ ጠቐምቲ ዝኾኑ እታዎታት ምስ ዘለዎም
ትካላትን ተፈለጥቲ ምሁራትን ርክብ ይፈጥር፣
10. ምስ ትካላት መፅናዕትን ምርምርን ወፃኢ ሃገራት ብምኻን ምሩፃት ተሞክሮታት
ይለዋወጥ፣ መፅናዕትን ምርምርን የካይድ ውፅኢቱ ይዝርግሕ፣
ዓንቀፅ 67. ስልጣንን ተግባርን ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግራይ
1. ኣብ ቋንቋታት ትግራይ ሳይንሳዊ መፅናዕትን ምርምር የካይድ፤ ውፂኢት መፅናዕቲ
ከከምኣድላይነቱ ተግባራዊ ይገብር፣
2. ብቋንቋታት ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝተፅሓፉ ፅሑፋት ወይ ሰነዳት
ብምትእልላሽ ብስርዓት ክዕቀቡ ይገብር፣
3. ስነ-ፅሑፍን ስነ-ልሳንን ቋንቋታት ትግራይ ምዕሩይ ብርኪ ስርዓት ኣፀሓሕፋ ክህልዎም
ይገብር፣
4. ቋንቋታት ትግራይ ስርዓተ ትምህርቲ ተቐሪፅሎም ከም ካልኦት ዓይነታት ትምህርቲ
ዝውሃበሉ ኩነታት የተሓባብር፣ የመቻቹ፣
5. ምስ ሃገራውን ዓለምለኻውን ትካላት መፅናዕትን ምርምርም ቋንቋ ርክብ ብምፍጣር
ዓቕሚ እቲ ኣካዳሚ የማዕብል፣
6. ቋንቋታት ትግራይ ምስ ዕብየት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝስጉምሉ ኩነታት ይፈጥር
7. ስዋስው ቋንቋታት ትግራይ የፅንዕ፣ ስራሕቲ መዝገበ ቃላት የዳሉ፣ ብርኪ ቋንቋታት
ትግራይ የዕቢ፣
8. ኣመፃፅኣን ዕብየትን ቋንቋታት ትግራይ ተፀኒዑን ተዓቂቡን ዝኸደሉ ኩነታት
ይፈጥር፣
9. ኣብ ኣጠቓቕማ ስነ-ልሳንን ስነ-ፅሑፍን ቋንቋታት ትግራይ ኣመልኪቱ ንመንግስታውን
ዘይመንግስታውን ኣብያተ ትምህርቲ በብእዋኑ ስልጠና ይህብ፣ ሰሚናራት የካይድ፣
10. ሕግታት ቅድሚ ምሕታሞም ኣድላይ ዝኾነ ምስትኽኻል ቋንቋ ክግበረሎም ምኽሪ
ሓሳብ የቕርብ፣
ዓንቀፅ 68. ስልጣንን ተግባርን ቤት ፅሕፈት ቃል ኣቐባሊ ፕረዚደንት
1. ኣቐባሊ ቃልን ቀንዲ ፍልፍል ሓበሬታ ፕረዚደንት ብምዃን የገልግል፣ ቅዋም፣
ልኡኽን እምነትን ፕረዚደንት ብዝተፈላለየ ኣገባብ ይገልፅ፣
2. ንጋዜጠታት ውሽጥን ወፃኢን ዓዲ ከከም ኣድላይነቱ በቢእዋኑ መግለፂ ይህብ፣
3. መግለፂታት ቃለ ኣቀባሊ የዳሉን ንሚድያታት ይዝርግሕ፣
4. ርክብ ኣቀባሊ ቃል ይምስርት፤ መረዳእታ ይእክብ፣ የጠናኽር፣ ይትንትን፣
5. ጋዜጣዊ መግለፂታት፣ ጋዜጣዊ ጉባኤ፣ ቃለ መሕትት ክካየዱ ይገብር፣

አንቀፅ 69. ስልጣንን ተግባርን ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት


1. ንፕረዚደንትን ንቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስተራትን ሓፈሻዊ ምምሕዳራዊ ኣገልግሎት
ይህብ፡፡
2. ንላዕለዎት ሰብ መዚ ኣድላይ ዝኾነ ኣገልግሎት ፕሮቶኮል ይህብ ፣ ጉዕዞ ወፃኢ
የመቻችው፣
3. ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስቴራት ንዘካይዶም ስሩዕን ህፁፅን ኣኼባታት መኣከቢ ቦታን
ንኣኼባ ዘድልዩ ካልኦት እታዎታት የዳሉ፣
4. ቃለ ጉባኤ ሰነዳትን ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስቴራት ብኣግባቡ ተፈሪሞምን
ተረጋጊፆምን ድሕንነቶም ተሓልዩ ከትሓዙን ክዕቀቡን ይገብር፣
5. ብቤት ምኽርን ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስቴራትን ዝወፁ ሕግታት ንመረዳእታ
ብዝጠቅም መንገዲ ክተሓዙ ይገብር ፣
6. ንቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስቴራት፣ ንኣማኸርቲ፣ ንደገፍትን ሰብ ሞያ ኣገልግሎት
ዶኩሜንተሽን ይህብ፣
7. ካብ ወፃኢን ውሽጢ ዓዲን ንዝመፁ ኣጋይሽ ብሽም ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስቴራት
ኣገልግሎት ምግያሽ ይህብ፣
8. ብሽም ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝካየድ ዓውደ መፅናዕቲ ሲምፖዝየም፣ ኮንፈረንስ
ብዝተቐመጠሎም ግዘ ሰሌዳ መሰረት ክፍፅሙ ይገብር፣
9. ናብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ምምሕዳራዊ ፍታሕ ደሊዮም ንዝመፁ ሰብ ዋኒን ምስ
ዝምልከቶ ኣካል የራኽብ፣
ዓንቀፅ 70. ስልጣንን ተግባርን ነባር ዓቕምታት
1. ሕሉፍ ተሞክሮ ብምቅማር ኣማራፂ ፖሊሲ ሓሳብ ንዝምልከት የማክሩ፣
2. ኣብ ትግራይ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራስን ንምርግጋፅ ዘኽእልን፣ ንዘጋጥሙ ማሕንቕን
መፍትሒ ሓሳብን ብመፅናዕቲ የማኽር፣
3. ህልውና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሓደጋ ከይኣትው ንምምካት ፃውዒት ኣብ ዝግበረሉ
የለዓዕል፣ ይወፍር፣ የማክር
4. ብመንግስቲ ዝዳለዉ ናይ ነዊሕን ሓፂርን ትልምታት የማክር፣
5. ዲያስፖራታት ኣብ ዲፕሎማቲክ ስራሕቲ ዝነበሩ ነባራት ዓቕምታት ኣብቲ ዝነብርሉ
ዘለዉ ዓዲ ናይ ክብሪ ኣምባሳደር ኮይኖም ክሰርሑ ዝኽእልሉ ኣገባብ የማክር፣

ዓንቀፅ 71. ስልጣንን ተግባርን ክፍሊ ኣማኸርቲ ፕሬዚደንት


ኣብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት ከምኒ ማሕበራዊ፣ ቁጠባ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ወፃኢ
ጉዳይን ዝኣመሰሉ ኣማኸርቲ ዝህልዉ ኾይኖም፡-
1. ብፈፀምቲ ኣብያተ ዕዮ ዝትግበሩ ፖሊሲን ስትራተጅን ውፅኢቶም ብመፅናዕቲ
ብምርግጋፅ ተመክሮ ዝተፈላለዩ ሃገራት ብምቕማር ኣማራፂ ፖሊሲ ሓሳብ የቕርብ፣
2. ካብ ፖሊሲ ዝብገስ ናይ ልምዓት ፓኬጃትን ፕሮግራማትን ዝርዝር ዳህሳስን መፅናዕትን
ኩነታት ኣፈፃፅማ ብምግባር መፍትሒ ሓሳብ የቕርብ፣ የማኽር፣
3. ኣብ ዝወፀ ፖሊሲ መሰረት ብምግባር ሓደሽቲ ስርዓት ኣሰራርሓ ክተኣታተዉ
ንፕረዚደንት የማኽር፣
4. ምስ ቁጠባዊ ፖሊሲ ትግራይ ኣብ ዝጠዓዓም ማክሮ ኢኮኖምን ፀገማት ሰናይ
ምምሕዳርን የማኽር፣
5. ዝወፁ ፖሊሲታት ንምትግባር ዘኽእል ስርዓት ኣሰራርሓ ንክዝርጋሕን ማንዋላት
ክዳለው ንዝምልከቶ ኣካል የማኽር፣
6. ኣማኸርትን ዳይሬክቶሬት ደገፍን ክትትልን ሰነድ ስምምዕነት ብምድላው ብሓባር
ትልሚ ዘዳልውሉ፣ ክትትልን ቁፅፅርን ዝገብርሉ፣ ስራሕቶም ዝግምግምሉ፣ ብፕረዚደንት
ዝስየም ኣተሓባበሪ ዘለዎ ፎረም ይፈጥር፣
7. ፎረም ኣማኸርቲ ዝምርሑሉ ማኑዋል ክዳለው ይገብር።
8. ብካልኦት ሕግታት ዝተውሃቦ ስልጣንን ተግባርን ይፍፅም፣ የፈፅም፣
ዓንቀፅ 72. ስልጣንን ተግባርን በዓል መዚ ክትትልን ቁፅፅርን
1. ኣብያተዕዮ መንግስቲ ኣብ ትልሚ ምድላውን ብትልሚ መሰረት ስራሕ ይፍፀማ
ምህላወን ይከታተል፣ ይቆፃፀር፤
2. ተሞክሮ ካልኦት ሃገራትን ብሉፅ ኣፈፃፅማ ስራሕ ቤት ዕዮን ይውድብ፣ ይትንትን፣
የጋፍሕ፣
3. ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ዕዮ ዘሎ ክፍተት ኣፈፃፅማ መደባት ብምንፃር ንዝምልከቶ
ኣካል የፍልጥ፣
4. ኣብያተ ዕዮ መንግስቲ ስልጣኖምን ተግባሮምን ብመሰረት ኣግባብ ዘለዎ ሕጊ
ይፍፅሙ ምህላዎም ይከታተልን ይቆፃፀርን፣ ዝርዘሩ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት
ብዘውፅኦ መምርሒ ይውሰን፡፡
5. ኣብ ኣብያተ ዕዮ ድሕሪ ክትትልን ቁፅፅርን ዘሎ ብርኪ ኣፈፃፅማ ስራሕ መሰረት
ብምግባር ኣብያተ ዕዮ ናብ ተመጣጣኒ ብርኪ ኣፈፃፅማ ንኽመፃ ኣንፈት የነፅር፣
ኣፈፃፅማኡ ይከታተል፣ ይቆፃፀር፣
6. ዝተወደቡን ዝተተንተኑን ተመክሮታት ከከም ኣድላይነቱ የጋፍሕ፣
7. ብመፅናዕቲ ንዝተረኸበ ፀገማት መፍትሒሓሳብ ብምቕማጥ ኣፈፃፅማኦም ይከታተል፣
8. ስሩዕን ዘይስሩዕን ምርመራን ቁፅፅርን የካይድ፣
9. ብምርመራ ኣብ ዝተረኸቡ ግድፈት ኣሰራርሓ መስተኻኸሊ ስጉምቲ ይወስድ፤
ንፕረዚደንት ፀብፃብ የቕርብ፣
10. ፀገም ቅድሚ ምፍጣሩ ንምክልኻልን ፀገማት ምስተፈጠረ ንክፍታሕ ምስ ኣብያተ ዕዮ
ናይ ምርድዳእን ምብቃዕን ስራሕቲ ይሰርሕ፣
11. ድሕሪ ውሳነ ቁፅፅር ዳህሳስ ረብሓ ቁፅፅር የካይድ፣
ዓንቀፅ 73. ሓባራዊ ስልጣንን ተግባርን ሓላፊ ቤት ዕዮ
1. ዝተመደበሉ ቤት ዕዮ ይመርሕ፣
2. ኣብዚ ኣዋጅ ዝተደንገገ ስልጣንን ተግባርን እቲ ዝተመደበሉ ቤት ዕዮ ይፍፅም፣
የፈፅም፣
3. ብመሰረት ኣግባብነት ዘለዎ ሕጊ ሰራሕተኛ ይቖፅር፣ የማሓድር፣
4. ትልምን በጀትን እቲ ቤት ዕዮ የዳሉ፣ ምስፀደቐ ኣብ ስራሕ የውዕል፣
5. ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ አቲ ቤት ዕዮ ንዝምልከቶ ኣካል የቕርብ፣
6. ብዝምልከቶ ኣካል ዝተውሃቦ ስራሕ ይፍፅም፣ የፈፅም፣
7. ሰራሕተኛ እቲ ቤት ዕዮ ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ ውሳነ ሓሳብ ቅፅዓት ዲስፒሊን
መርሚሩ ብመሰረት ኣግባብ ዘለዎ ሕጊ ውሳነ ይህብ፣
8. ምስሳልሳይ ወገን ንዝፍፅሙ ርክባት ቤት ዕዮኡ ይውክል፣
9. ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ሰራሕራተኛን ካልት ኣካላት ይፍፅም፣
10. ኣድላይ ኾይኑ እንትርከብ ካብ ስልጣኑን ተግባሩን ኣብ ትሕቲኡ ንዘለዉ ሓለፍቲ
ስራሕ ወይ ሰራሕተኛታት ብውክልና ክህብ ይኽእል፣
ዓንቀፅ 74. ሓባራዊ ስልጣንን ተግባርን ምክትል ሓላፊ ቤት ዕዮ
1. ሓላፊ ቤት ዕዮ ኣብ ስራሕ ኣብዘይህልወሉ እዋን ነቲ ሓላፊ ተኪኡ ይሰርሕ
2. ኣብቤት ዕዮኡ ካብ ዘለዉ ዳይሬክቶሬታት ንሓደ ዳይሬክቶሬት ይመርሕ፡፡
3. ሓላፊ ዝህቦ ካሊእ ተግባር ይፍፅም፣
ዓንቀፅ 75. ተፀዋዕነት፣ ሓባራዊ ስልጣንን ተግባርን ዳይሬክተር
1. ተፀዋዕነቱ ከከምኩነታቱ ንሓላፊ እቲ ቤት ዕዮ ይኸውን፣
2. ንከይዲ ስራሕ ብላ ዕለዋይነት ይመርሕ፣
3. ትልሚ ከይዲ ስራሕ ኣውፂኡ የፅድቕ፣ ኣፈፃፅምኡ ይከታተል፣
4. ሓዱሽ ኣንፈት ኣሰራርሓ ብምንፃር ናብ ስራሕ ክኣቱ ይገብር፣
5. ፈፃሚ ከይዲ ስራሕ ሞያዊ ዓቕሚ ዘዕብየሉ ስልጠና የዳሉ ወይ ክዳሎ ይገብር፣
6. መዓልታዊ ስራሕቲ እቲ ከይዲ ስራሕ ምስ ዕላማን ድልየትን ቤት ዕዮኡ ተጠዓዒሙ
ንክኸይድ ይገብር፣
7. ፈፃሚን ሰራሕተኛን ዳይሬክቶሬት ብመሰረት ኣግባብ ዘለዎ ሕጊ የመሓድር፣
8. ነቲ ዳይሬክቶሬት ዝተመደበሉ በጀትን ንብረትን የመሓድር፣
9. ፀብፃብ ዳይሬክቶሬት ንሓላፊ እቲ ቤት ዕዮ የቕርብ፣
10. ካሊእ ሓላፊ እቲ ቤት ዕዮ ዝውሃቦ መደብ ይፍፅም፣ የፈፅም፡፡
ክፍሊ ሓሙሽተ
ዝተፈላለዩ ድንጋገታት
ዓንቀፅ 76. ፍልፍል እቶትቤት ዕዮ
1 ካብ መንግስቲ ዝምደብ በጀት፣
2.ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝርከብ ሓገዝ ይኸውን፣
ዓንቀፅ 77. ኣተሓሕዛ መዛግብቲ ሒሳብ አብያተ ዕዮ
1. ዝኾነ ቤት ዕዮ ብመንግስቲ ዝምደበሉን በጀትን ዝረኸቦ ሓገዝን ብመሰረት ሕጊ
ፋይናንስ የመሓድር፡፡
2. ናይዚ ዓንቀፅ ንኡስ ዓንቀፅ (1) ድንጋገ እንተሃለወውን ዝምልከቶ ቤት ዕዮ ውሽጢ
እቶቱን ናይ ፕሮጀክት ገንዘብ ውፂኢታዊ ብዝኾነ ኣግባብ ንምምሕዳር ፍሉይ
ኣሰራርሓ ክኽተል ይኽእል፡፡ ዝርዝርሩ ቤት ምኽሪ ካቢኔ ሚኒስትራት ብዝውፅኦ
መምርሒ ይውሰን፡፡
ዓንቀፅ 78. ምውፃእ ስልጣን ደንብን መምርሕን
ኣብዚ ኣዋጅ ኣብ ሕድ ሕድ ድንጋገ ዝተውሃበ ስልጣን ምውፃእ ደንብን መምርሕን
ሕሉው ኮይኑ፤ ነዚ ኣዋጅ መፈፀሚ ዝኸውን ደንቢ ወይ መምርሒ ከከም ኣድላይነቱ
ብቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ወይ ብሕድ ሕድ ዝምልከቶ ቤት ዕዮ ክወፅእ ይኽእል፡፡
ዓንቀፅ 79. መሰጋገሪ ድንጋገ
1. እዚ ኣዋጀ እንትወፅእ ኣብ ከይዲ ዝነበሩ መሰልን ግቡእን ከም ኣግባብነቱ በቲ እዋን
ኣብ ስራሕ ብዝነበረ ሕጊ መሰረት ዝውሰን ይኸውን፡፡
2. ናዚ ዓንቀፅ ንኡስ ዓንቀፅ (1) ድንጋገ ሕሉው ኾይኑ እዚ ኣዋጅ እንትወፅእ ኣብ ከይዲ
ዝነበሩ ምምሕዳራዊ ወይ ብስሩዕ ቤት ፍርዲ ዝረኣዩ ዝነበሩ ክርክራት አግባብ
ብዘለዎ ሕጊ ዝወሰኑ ኾይኖም ብፍረ ነገር ይኹን ብሕጊ ጉዳይ ብትግራይ
ምምሕዳራዊ ዳይነት ኣካል ወይ አግባብ ብዘለዎ ስሩዕ ቤት ፍርዲ ዝወሃብ ውሳነ ናይ
መወዳእታ ይኸወን፡፡
3. ኣብዚ ኣዋጅ ዓርሱ ኪኢሉ ወይ ምስ ካልእ ቤት ዕዮ ተወሃሂዱ ኣብ ዝተጣየሸ ቤት ዕዮ
መንግስቲ ፌደራል ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት መንግስቲ በዚ ኣዋጅ ናብ
ዝተጣየሸ ቤት ዕዮ ዝሰጋገሩ ይኾኑ፣
4. ናይዚ ዓንቀፅ ንኡስ ዓንቀፅ (3) ድንጋገ እንተሃለወ’ውን መንግስቲ ኣድላይ ኮይኑ
እንተረኽቦ ነቶም ሰራሕተኛታት ብዝጥዕም ኣገባብ ከማሓድሮም ይኽእል፣ ዝርዝሩ
ብደንቢ ይውሰን፣
ዓንቀፅ 80.ተፈፃምነት ዘይብሉሕጊ
1.ኣብዚ ኣዋጅ ዝተሸፈኑ ዋኒናት ብዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ኣዋጅ፣ ደንቢ፣ መምርሒ፣
ልማዳዊ ኣሰራርሓ ወይ ውሳነ ተፈፃምነት የብሉን፣
3. ቁፅሪ ኣዋጅ 83/1996፣ 211/2003፣ 215/2004፣ 261/2007፣ 265/2007፣ 266/2007፣
272/2008፣ 277/2008፣ 278/2008፣ 317/2011 ከምኡ’ውን ግድብ ህዳሰ ተሳትፎ ህዝቢ
ዘተሓባብር ቤት ፅሕፈት ንምጥያሽ ዝወፀ ቁፅሪ ደንቢ 67/2003 በዚ ኣዋጅ ተሳዒሮም
ኣለው፡፡

ዓንቀፅ 81. ኣዋጅ ዝፀንዐሉ ጊዘ

እዚ ኣዋጅ ብቤት ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ካብ ዝፀድቐሉ ---- /----/ ዓ/ም ጀሚሩ ዝፀንዐ
ይኸውን፡፡
ደብረፅዮን ገብረሚካኤል (ዶ/ር)
ፕረዚዳንት
መንግስቲ ትግራይ
መቐለ

You might also like