You are on page 1of 13

ሽረ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ

SHIRE POLLY TECHNIC COLLEGE


ከ/ስ /ዉ/መ/ስልጠና

ቁፅሪ shobt 198 /35/01

ዕለት 02 /05/2016 E.C

ናብ ቢሮ ቴ.ሞ.ት.ስ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ክልል ትግራይ

መቐለ

ዋኒኑ ብዛዕባ ብክላስተር ዝካየድ ስራሕቲን ዝተላዓሉ ሕቶታት ሪፖርት ምፍላጥ ይምልከት

አብ ርእሲ ዋኒኑ ከምዝተሓበረ አብ ክልልና ብሰንኪ ኮረናን ክመኡውን ብልፍንታውያን ናይ ፅንተት ሓይሊታት
ብዝፈጠርዎ ኩናት ጠሩነት ምኸንያት ምምሃር ምስትምሃር ጠጠው ኢሉ ምፅንሑ ዝፍለጥ እዩ ይኩን እምበር
ድሕሪ ፕሪቶርያ ዝተፈጥረ ናይ ሰላም ስምምዕነት አብትግራይ ስራሕ ስለዝተጀመረ ቢሮና እውን ካብ ዕለት
15/ 12 /2015 ዓ/ም ጀሚሩ ተቋሪፁ ዝነበረ ናይ ኮሌጃት ምምሃር ምስትምሃር ስራሕ ክጅምራ መደብ ምውራዱ
ዝፍለጥ እዩ በዚ መሰረት ካም ሰሜንን ምዕራብን ምዕራብን ክላስተር ብዕለት 20 /04/ 2016 ዓ /ም አብ ዘካየድናዩ
አኬባ ዝተሰርሑ ስራሕቲን አብ ስራሕ ዘጋጠሙ ፀገማትን በዚ ገፅ ዝሓዘ ደብዳበ ብምትሕሓዝ
ዝለአክና መኳና ንገልፅ ;;

ምስ ሰላምታ
1.መእተዊ

ዓለማውን አህጉራውን ብዘጋጠመ ሕማም ኮረና 2012 በጀት ዓመት ዝሓዝናዮ ትልሚ ምምሃር ምስትምሃር

ጠጠው ምባል ዝዝከር እዩ ብምቅፃል ካብ ጥቅምቲ 24/02/2013 ዓ/ም ክሳብ 2015 ዓ/ም ኣብ ክልልና ብዘጋጠመ ናይ

ዘርኢ ምፅናት ጆኖሳይዳዊ ጠሩነት ምክንያት ውግእን ዕግርግርን ምምሃር ምሰትምሃር ጠጠው ኣቢልና ምንባርና

ዝፍለጥ እዩ ይኩን ዳኣ እበር ብምክንያት ወዕል ፕሪክቶርያ እቲ ዝነበረ ውግእን ዕግርግርን ናብ ሰላም ተመሊሱ በቲ

ብክልል ዝተዋሃበና ኣንፈት ካብ ናሓሰ 15/12/ 2015 ዓ/ም ጀሚርና ኩለን ኮሌጃት ነቲ ነባር ሰልጣናይ ናይ 2012 ዓ/ም

ዝነበረ ሰልጣናይ ፃዊዔተ ብምግባር ስልጠና ዝጀሚርና ምዃና ዝፍለጥ እዩ ፡፡ በዚ መሰረት ብምግባር ናይ ህዝቢ

ምልዕዓል ኣብ ግምት ብምእታው ከም ክላስተር ዝሓዝናዮም ሽቶታት ብምክላስ ምስ መሓውራትና ብዝርዝር

ተረዳዲእና ኢና ተበጊስና፡፡ ኣብ ስሩዕ ስልጠና ኣብ ዘይስሩዕ ስልጠና ውፅኢት ብቕዓት ስልጠናውን እቲ ኣብ

2012 ዓ/ም ክንበፅሖ ኣለና ኢልና ዝሓዝናዮ ሽቶ ክነዕውቶ ዝብሉን ካልኦትን ዝተወጠረ ሽቶታት ብምሓዝ ኢና

ተበጊስና፡፡

ብድምር አብዚ ዓመትናይ 6 ተ ወርሒ ከም ክላስተር ፅቡቕ ኣፈፃፅማ ተመዝጊቡ እዩ፡፡ ስለዚ ኣብዚ 6 ተ ወርሒ

ዝተርኣዩ ጥንኩር ጎንታት ብምዕቃብን ዘጋጠሙ ድኽመታት ብምምሕያሽ ዝተረፉ መደባትና ንምዕዋት ዝተላዓልና

እንትንከውን ዝነበረ ኩነታት ከም ዝስዕብ ይከውን።


2.ራኢይ (vision)

ቴክኒክን ሞያን ት/ትን ስልጠናን ንናይክልልና ማሕበረ ኢኮኖሚያውን ምዕባለ ኣስተዋፅኦ ዝገብር ብቑዕን ብሞይኡ

ዝተኣማመን ዜጋ ብምፍራይ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ መነባብሮ ብቐፃልነት ብምምሕያሽ ድክነት ኣብምጥፋእ ተርኡ

ዝፃወት ዜጋ ፈርዩ ምርኣይ እዩ፡፡

3. ዕላማ(objectives )

ዕላማና ይዚ ክላስተር (cluster) እዚ ኣብተን ትካላት ዘሎ ኩሉ ሃፍቲ (resources) ኣዋዲድካ ፀንቂቅካ ብምጥቃም

ናይ 2016 ዓ/ም ዝተለጠጠ ትልሚ ብደረጃ ክላስተርን ምዕዋት ሓደ መሳርሒ (tool) ኮይኑከገልግለና ትፅቢት ይግበር፡፡

ኣብቲ ውዑይ ምንቅስቃስ ዝፍጠሩ ብሉፃት ሰራሕቲ ንምግፋሕን በዚ ኣቢሉ ንምጥንኻርን ዝዓለመ እዩ፡፡
1. ኩነታት ገምጋም

1.1 ብዕለት 20/04/2016 ዓ/ም አብ ዝገበርናዮ ብክላስተር አኬባ ዝነበሩና አጀንዳ

 እብ 6 ተ ወርሒ ክም ክላስተር ዘተሰርሑ ስራሕቲ እንታይ ይመስሉ አብ ኩለን ከይዲ ስራሕቲ


 አብ መዳይ ስልጠና ዘለናዮ ደረጃ ከም ውፅኢት መሰረት ዝገበረ ስልጠና እንታይንመስል
 ናይ ዝሓለፉ ዓመታት ዝነበረና ስልጣናይ ከቲቱ አብ ምምፃእ
 ብቅዓት ሰልጠናና እንታይ ይመስል
 ብመዳይ ሓፂር ስልጠና ዝተታሓዘ ትልሚ ዝተዋሃበ ስልጠና
 Aoc ምዝና አብ ምጅማር እንታይ ንመስል ውፅኢትከ ብኸመይ ይግለፅ
 አብ መዳይ ቴክኖሎጂ ዝተሰርሑ ስራሕቲ
 አብ ምግፋሕ ቴክኖሎጂ ዝተሰርሑ ስራሕቲ
 አብ መጋፋሕቲ ዝተሰርሑ ስራሕቲ
 አብ ክላስተር ዘሎ ምትሕግጋዝ እንታይ ይመስል
 ብሓይሊ ሰብ መዳይ ዘሎ ምትሕግጋዝ
 ብንብርት ዘሎ ምትሕግጋዝ እንታይ ይመስል
 አብ ሃፍቲ አብ ምትእኸኻብ ዘሎ ተመኩሮ ፀገማት ንምፍታሕ ዘሎ ምንቅስቃስ
 አብ ናይ ሕውየት ስልጠና ብክልል ተማእኺሉ ዝተዋሃበ ስልጠና ናይ አሰልጠንቲ ድጋፍ ዋሃብቲ ዘሎ ቅሬታ
እንታይ ይመስል ዝብሉ ከልኦት ተወሰኽቲ አጀንዳታት ክራአዩ ኪኢሎም እዮም
 ገምጋም ኣፈፃፅማ መደብ ት
 ካብ ትካላት ክሳብ ታሕቲ ኩሉ በቢደረጅኡ ኣብቲ ዝተዳለወ ትልሚ ግቡእ ምርድዳእ ንምፍጣር ገምጋማዊ

ስልጠናን ካልኦት ዝተፈላለዩ መድረኻትን ብምፍጣር ኣብ ዝተነፀሩ ድክመታትን ማሕንቖታትን ናብ ምርድዳእ

ክበፅሕ ተፈቲኑ እዩ፡፡

 በቲ ዝተፈጠረ ናይ ክትትል ድጋፍን መስርሕ እናደገፍካ ምኻድ ዝተፈተነ እንትኸውን ግን ስጥም ኢልካ ምዃድ

ግድፈታት ነይርዎ፡፡
2 .ዳህሳስ መደባት 2016 ዓ/ም በጀት ዓመት ዝምልከት

ካብ ስራሕ ዝጀመረ ኮሌጃት ናብ ተግባር ዝአተወ ተመኩሮ ምልውዋጥ አዉ ኡ ዘጋጠሙ ፀገማት ዘተወሰዱ
መፍትሕታት ዝብሉ ሓሳባት አጀንዳታት ብምሓዝ ሰፊሕን ብትኩረት ተራእዩ እቲ ናይ ክላስተር
ዝተማየጠሎም ብሕድ ሕድ ኮሌጅ ዝቀረበ ሓሳብን ዝተሰርሐ ስራሕን ከምዝስዕብ ቀሪቦ አሎ

በቲ ናይ ክልል አንፈት መሰረት ዝተዋሀበና መደብ ብትኩረት ብምርአይ

አብ ምድላው ምዕራፍ ዝተሰርሑ ስራሕቲ

 ከም ትካላት ምስ ማናጅመንት ስራሕ ንምጅማር ምርድዳእ ዘተገብረ ምኳኑ ትልሚ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ም
ዘፅደቀ ምኳኑ
 ከምኡውን ምስ ጠቅላላ ሰራሕተኛ ምርድዳእ ብምፍጣር ናብ ስራሕ ዝአተና ምኳና
 ኩሉ ፈፃሚ አካል በቲ ናይሕሉፍ ዝነበረ መበገሲ ብምውሳድ ትልሚ ከደልው ከዳልው ከምዘለዎ ብምርድዳእ ናብ
ተግባር ዝተአተወ ምዃኑ
 ምስ መዳርግቲ አካላት ዝተገብረ ምርድዳእ ምህላው አባል ስትሪንግ ኮምቴ ኮይና ናይ 8 ተ ሞያታት ንሓፂር
ስልጠና ዘድሊ ስፐስፊኬሽን አውፂእና ዘድሊ ንብረት መዐደጊ ዝከውን በጀት ንክሕዙ ምርድዳእ ዝተገበረ
ምኳኑ ቅድምያ ክዋሃብ አብ ዘለዎ ትኩረት ሂብና ከም ንሰርሕ ምርድዳእ ዝተፈጠረ ምኳኑ ጅማሮታት ከምዘሎ
 ብዘይምንም ምቑርራፅ አብ 2 ተ ወርሒ እናተራኸብካ መደባት ምግምጋምን ተሞክሮታት ምልውዋጥን

 አብ ምምሃር ምስትምሃር ኩለን ኮለጃት ሰልጣናይ ተቀቢለን አብ ምምሃር ምስትምሃር ዘሰልጥናን ምህለወን

ኣብ ኣወዳድባታትን ኣሰራረሓታትን ተሞክሮታት ብምልውዋጥ ዋላ እኳ ዝሓሸ እውን ብዝሓሸ ዘይነዓቑ

ምድግጋፋት ምግባሩ

ምሉእ ኣባላት ክላስተር ዋላ ምችው አይኹን ምዕራብን ሰሜን ምዕራብን ዘለዋ ኮሌጃት አብዘለወ ኮሌጃት
ገሊአን ሓራ ስለ ዘየወፃ አብተን ሓራ ዘወፃ ዘለዋ ኮሌጃት መሰረት ገይርና ንራኸብ ምህላውና
ስርዓተ ፆታ አመራርሓ አብትልሚ ምእታው ከምትካል ኣካል ማናጅሜንት ተሳተፍቲ ክኾና ምግባርን መደባተን

ክግምገምን ናብ መስርሕ ምእታው

ከም ክላስተር ብርክት ዘበለ ፀገም እዃ እንተሃለወ አብነት ናይ 17 ወርሒ ደሞዝ ዘይተዋሀቦ መንግስቲ

ሰራሕተኛ ተፃዊሩ ን 3 ተ ዓመት ፃምእ ትምህርት ዘለወም ዜጋታት አቀዲምና ክንሰርሕ አለና ኢሉ ሰላማዊ

ሰልፊ እንተይወፀ ብዘይምንም ዕንቅፋት ምምሃር ምስትምሀር ዝቅፅል ምህላዉ ከም ጠንካራ ጎኒ ወሲድካ እቲ

ዘሎ ጥንከረ ክዕቀብ ከምዘለዎ ምርድዳእ ዝተበፅ ምኳኑ

ምስ ፀረ-ክራይ ኣካብነትን ሰናይ ምምሕዳርን ዘለው ተሞክሮታትን ክፍተታትን ከምክላስተር ናብተመጣጣኒ

ብርኪ ምምፃእ
ስርዓት ደገፍን ክትትልን ኣወሃህባ ግብረ መልስን በቲ ክልል ዘውፀኦ መስርሕ ተኸቲሉ ክኸይድ ምግባር

ስርዓት ደገፍን ክትትልን ቀፃልነት ዘለዎን ቅልጡፍ ለውጢ ከምፅእ ብዝኽእልን ክኸውን ምግባር ::

3. አ/ከ/ ስ/ ው/መ/ዝ/ስ ዝምልከት

ብክልል ዝተውሃበ ትልሚ ምፍፃም (ኣብ መደበኛ ኾነ ኣብሓፂር ስልጠና ዘሎን ካልኦትን ትልምታትና ማለት ካብ

ቅበላ ስጋኩለን ኮሌጃት ሰልጠንቲ ምዝገባ ብምልጣፍን ብማሕበራዊ ምድያ ብምጥቃመ ተማሃራይ
ክንምዝግብ ኪኢልና ኢና ካብቶም ዝፀዋዕናዮም ካብ ዘለዉና ከም ሽረ ሕርሻ ንተመረቅቲ ቅድምያ ሂቦም
ዝፀውዑ እንትኾኑ ካልአተን ግና ንኹሉ ሰልጣናይ ፀዊዐን አብ ምምሃር ምስትምሃር ዝረከባ ምኳነን
ብፌደራል ዝተዋሃቡ ስልጠናታት ማለትውን አብ አዳማ ሰንዳፋ ዝሰልጠናዮ ሽረ ፖሊ ምስ ሽረ ሕርሻ ፖሊ

ከይድና ዝነበርና እቲ ስልጠና ንዲን ው/መዝ ስልጠና ንቴክኖሎጂ ንረጅስትራር ብክላስተር ደረጃ ብምዕዳም አብ

ሽረ ፖሊ ስልጠና ንሓደ መዓልቲ ዝአክል አብ ወርሒ መስከረም ስልጠና ድሕረ ምሃብና ኩለን ኮሌጃት

እብትሕቲን ንዘሎ ሰራሕተኛ ስልጠና ዝተዋሃበ ምዃኑ

Level by level ዘሎ ፃኒሓት ግዜ ንምቅናስ ብኸመይ ክውዳእ ዝከኣልን ዘይከኣልን ብንፁር ምሽንሻንን

ከምክላስተር እውን ምእኹል ኮይኑ ተግባራዊ ምግባርን ብኽነት ስልጠናን ምዘናን ምውጋድ ክንሰርሓሉ ከምዘለና

ምርድዳእ ምፍጣር

አብ ሓደ ኮርስ ውሽጣዊ ምዘና ሓዊሱ መዓዝ ተጀሚሩ መዓዝ ይውዳእ ንፁር ትልሚ ክህልዎ ምግባር ሰልጠንትና

እብዚ ዓመት ክነመርቆም አለና ኢልና ፃኒሓት ሰልጠንቲ ምቅናስን ከም ዘድሊ ምርድዳእ ተገይሩ ::

ፕሮጀክት መሰረት ዝገበረ ስልጠና 100% ምትግባር::

ሓፂር ስልጠና ምስ ምዘና ምትእስሳር ኩለን ኮሌጃት ስልጠና ዝጀመራ ምዃነንን AOC ከም ሽረ ፖሊ አብ
ኮብልስቶን አሰልጢና ናብ ምዘና ዘቅረብና እንትንኮን እቶም ዝቀረቡ 100% ዝሓለፉ ምኳኖም ::
ፕሮጀክትታት ንተመረቕቲ ምቕራፅን መመረቒ ፕሮጀክትታት ክሰርሑ ምግባርን ከም ትልሚ ክታሓዝ ምኸአሉ

ብኡ መሰረት ኮሌጃት ክሰርሓሉ ን ክነትግብር ከምዘለና ምርድድእ ዝተፈጠረ ምዃን ::


AOC ምዘና ዝምልከት አብ መደበኛ ከምሽረ ሕርሻ ሰለክለኻ ቴክኒከ ኮሌጅ ሽረ ፖሊ ዝመሰሰሉ ምዘና
ዝጀመረ እንተኾና ካልአተን ግና ምዘና ዘይጀመራ ምዃነን አብ ምድላው ምህላወን
ካይዘን ክላስተራዊ አጀንዳ ብምግባር አብ ኮሌጃት ተግባራዊ ምግባርን ብትኹረት ክስራሓሉ ምግባር

4 ኣ/ከ/ስ /ስ/ርን ም/ርን ቴክኖሎጂ


ከም ክላስተር እቲ ብክልል ብፌደራል ዝተወሃበ ስልጠና ዘበረታትዕ ብምዃኑ ንቀፃሊ ተጠናኺሩ ክቅፅል
ከምዘለዎ ፅቡቅ መንፈስ ዝፈጠረ ስልዝኮነ ካብኡ መበገሲ ብምውሳድ ዓቅምና ዝኻአሎ ክንሰርሕ ከምዘለና
አንፈት አቀሚጥና ናብ ትግባር ዝተአተወ ምዃኑ
ከም ክላስተር እቲ አብ ቀፃሊ ካብ እሴት ሰንሰለት መፅናዕቲ ዝብገስ ዝኻአልናዮ ቴክኖሎጂ ክንሰርሕ አብ
ምርድዳእ ዘተበፅሓ ምዃኑ
ኣብ ምስፍሕፋሕ ቴክኖሎጂ መባዝሕቲ ቴክኖሎጂ በቢዘርፉ ዘለዎም ምንቅስቃስ ድጋፍ ክንገብረሎም ከምዘለናን
ዝድገፍዎ ሞያ አነፂርና ክንሰርሐሉ ከምዘለና ኩሎም መተሓባበርቲ ከይዲ ስራሕ ምርምርን ስግግር ቴክኖሎጂ
ብአወንታ ዘተወሰደ ምዃኑ
ከም ሽረ ሕርሻን ሽረ ፖሊ ምስ አኹሱም ዩንቨርስቲ ናይ ሓባር ስምምዕነት ብምፍጣር አብ መንፋክቸርንግን

አብ ቢዘነስ ከምኡውን ሕርሻ ዝመሰሰሉ ቫልዩ ቸይን ብሓንሳብ መፅናዕቲ ዝተጀመረ ምንቅስቃስ ምህላው

ከም ሽረ ፖሊ ቅድሚ ሕዚ ዝተሰርሑ ቴክኖሎጂታት ብጨረታ ብምሻጥ ንዝሰርሑ ካብቲ ዝተሸጠ ቴክኖሎጂ

በቲ ምምርሒ ክታባብዑ ዝተገብረ ምዃኑን ከምኡውን ነቲ ትካል ዘውፀአ በጀት ክትካእ ምኽአሉ ካልአተን

ኮሌጃት እውን ካብኡ ተመኩሮ ክወስዳ ከምዘለወን ታሓቢሩ

ዝተሰጋገሩን ዝተጋፍሑን ቴክኖሎጅታት ሃፍቲ ይፈጥሩ ምህላዎም ምርግጋፅ ከምአውን ሓደሽቲ ዘተጋፍሑ

ቴክኖሎጂ እንተሃልየም ምስ ኢንዳስትርያል ኤክስቴንሽን ብሓበር ብምዃን ደህሳስ ክክየድ ከምዘለዎ ምርድዳእ

ዝተፈጠረ ምኳኑ

ኣብ መባዛሕቲ ቴክኖሎጂ ዘሎ ተሞክሮ ነንባዕሎም እናራኸብካ ተሞክሮ ክለዋወጡ ምግባር ::

ኣብ እሴት ሰንሰለት ዘሎ ዘይተመጣጠነ ፍልጠት ብስልጠና መልክዕ ምምጥጣን ::

5. ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን /

 ኣዋጃትደንብታትመምርሕታትን ማንዋላትንካልኦትሓገዝቲ ፅሑፋትን ተዳልዮም ነናብ ንኡስ ክፍልታት ምብፀሖምን


ምጥቃምን
- ሞያዊ ምትሕግጋዛት ተሞክሮታት ምልውዋጥን፡፡

- Budjet adjustment

- Budjet control ወዘተ ብክላስተር ብርኪ ምፍታሕ ::

- ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ዝውድኡዎ ጊዜ ንፁርነት ተሞክሮታት ምልውዋጥ ::

- ናይ COC መዘንቲ ኣወሃህባ ግልጋሎት ::

- ብማተርያል ምትሕግጋዝ---
- መምርሒ ዕደጋ ተኸቲልና ስራሕና ብአግባቡ ምስራሕ
- ኣተሓሕዛን ኣሰራርሓን ንብረት/ንብረት ቆፀራ፣ ካብ ፀላእቲ ዘተረፋ ብአግባቡ ክታሓዝ ምግባር

- ውገዳ ብመምርሒ መሰረት ክትገበርን ነንባዕልና ንምምሃር ምስትምሃር ዝውዕል እንተሃልዩ ብዝውውር

ክንታሓጋገዝ ከምዘለና አንፈት ዘነፀርና ምዃና ወዘተ/፡፡


- ፅንዓት ዕዳጋ ምትሕግጋዝ---

- ብኦዲት ዝተረኸቡ ግድፈታት ተሞክሮ ምሕላፍ ---

- ዓቕሚ ምዕባይ /ብስልጠና ፣ተሞክሮ……../ዝበሉን ካልኦትን ትኩረት ተጌሩ እንዳተሰርሓሉ እዩ፡፡

6. ደ/ከ/ስ/ኣ/ሓ/ሰብ

- ኣብ BSC ዘሎ ናይ ምትላምን ምዕቃንን ኣፈፃፅማ ክፍተት ምፅባብ፡፡

- ናይ ቁፃር ፣ ዕቤትን ዝውውርን ዘለው ናይ ኣፈፃፅማ ክፍተታት ምፅባብ፡፡

- ሪፎርምታት ፣ ቻርተር ዜጋታት ብሓፈሻ ኣብ BSC ኮነ ኣብ BPR ከምመስርሕ ዝተወሰዱ ኣብትካላት ዘለው

ኣፈላላያት ምፅባብ፡፡

- ኣብ ጥቕማጥቕሚ ዘሎ ዝተፈላለየ ኣካይዳ ኣፈፃፅማ ናብተመሳሳሊ ናብተመጣጣኒ ምምፃእ ማለት :-

- ኣብ ገዛክራይ

- ደንቢ ክዳን

- ስራሕ ኣፈፃፅማ

- አብ ብርኪ ዕብየት ዝውውር ዝመሰሰሉ ምትሕግጋዝ አፋላላይና ምፅባብ

- ኣብ ሰራሕተኛታት ሕፅረት እንተጋጥም ካብቲ ዝሓሸ ትካል ምውሕሓስ ዝብሉን ካልኦትን መሰረት ተጌሩ

ምትሕግጋዝ ክህሉ ብትኹረት ክስረሓሉ መስርሕ ጌርና ክንወስዶ ይግባእ ፡፡

7.ደ/ከ/ስ/ልምዓታዊ ትልሚ

.ምድላው ትልሚ ዝምልከት

- ናይ ነዊሕን ሓፂርን ትልሚ ምድላው


- በቢ ርብዒ ዓመት ንዝምልከቶ አካል ሪፖርት ምግባር ከም ክላስተር ክንሰርሓሉ ከምዘለና ምርደዳእ ዘተፈጠረ
ምኳኑ
- ካብ ትካል ክሳብ ውልቀ ፈፃሚ ዘሎ ትልሚ ከካትቶ ዝኽእል ባእታታት ምክታት እዋናውነት ፅሬት ብቅዓትን

መጠንን ከምክላስተር ናብተቐራራቢ ደረጃ ምምፃእ ::


- ከም ክላስተር ምሰቲ ዘጋጠመና ፀገም ናይ ንብረት መሽነርታት ንምትካእ ንዑኡ ዝምጥን ፕሮጀክት
ብምቅራፅ ካብ መንግሰታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ሃፍቲ ክነተአላልሽ ከምዘለና ምርድዳእ ዝተፈጠረን
ገሊኤን ኮሌጃት ከም ሽረ ሕርሻ ሽረ ፖሊ ዝመሰሰላ ትከላት ናብ ተግባር ዝአተዋ እንትኾና ካልአተን ናብዙይ
ዘይአተወ ኮሌጃት ተመኩሮ ክወሰደ ከም ዘለወን ምርድዳእ ዝተፈጠረ ምኳኑ
- አብ ካሽ ፈሎው ዘሎ ምድላዋት ምስ ስልጠና ወቅቲ ብዝኸይድ ምልክዑ ከዳሎ ክም ዘለዎ ቀፃሊ ክእረም
ክስተኻኸል በቲ ዝወፀ ካሽ ፍለው መሰርት ንትልምን ፋይናነስን ክሕተት ከምዘለዎ ምሕበሩ
- በጀት ካብ ምፅዳቕ ጀሚሩ ክሳብ ምጥቃም ዘሎ ኣሰራርሓ ናብ ሓደ ዓይነት ኣጠቓቕማ ምምፃአ ::

- ኣብ እንገብሮ ዋዕላታት ብሉፃት ተሞክሮታት ዝተብሃሉ ተግባራት እንትህልዉ ቀሚርካ ምግፋሕን

ተመኩሮታት ብደኩመንት ምሓዝን ዝብል እዩ ::

8. ኣብ ውሽጢ ኦዲት ከም ክላስትር

- ርክብ ውሽጢ ኦዲትን ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ንምጥንኻርን ተሞክሮታት ምስፋሕን ::


- ከም ሽረ ፖሊ አብ ዝተረኸቡርካብት መሰረት ብምግባር ንዝምልከቶ አካል ኦዲት ኮንፈረንስ ምክያድና
ካልአተን ካብዙይ ተመኩሮ ክወስዳ ምጥንኻር
- ኣጠቓቕማን ኣተሓሕዛን ፋይናንስ ንብረትምዕባይ ::

- ኣተገባብራ ስርዓት ካይዘን ምዕባይ ::

- ኣብ ሙሉእ ኣዕጋቢ ዘለዋ ትካላት ተሞክሮተቐሚሩ ክቐርብን ካልኦት ክመሃራሉ ምግባርን

- ኣብ ኣተሓሕዛ ሰነዳት ምጥንኻር ::

- ሰነድ ውሽጢ ቁፅፅር ምድላው

- ኣብ ናይ ኦዲት ስረዓት ሲስተም ምዝርጋሕ ዝተወሃሃደ ስልጠናታት ምሃብ ::

- ኣብ ኤግዚት ኮንፈረንስ ምክያድ ዘሎ ተሞክሮ ብክላስተር ብርኪ ክጋፋሕምግባር ::

- ኣብኣጠቓቕማበጀትዘሎዝሓሸተሞክሮወዘተብትኹረትክስረሐሎምምግባር፡፡

9. ኣብ ምትሕግጋዝ ትኹረት ዘድልዮም ስራሕቲ ወይ መደባት ከምክላስተር ዝተሰርሓስራሕቲ


 ከምክላስተር አብ ሓይሊሰብ አብ ዘሓፀረ ግዜ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ዝቅፅል ምህላዉ አብነት ከምሽረ ፖሊ
ናይ ኮብልስቶን ዘሰልጥኑ ሕፅረት አሰልጠንቲ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ ኮይኑ ግና ልዕሊ 37 አሰልጠንቲ ከብ ሸራሮ
ሑመራ ማይ ፀብሪ ደባጉና ሰለኽለኻ ቴክኒክ ኮሌጅ ከምኡ ውን ካብ ክላስተርና ወፃእ ካብ የጭላ ቴክነክ ኮሌጅ
ካብ ዓድጉዶም ቴክነክ ኮሌጅ ዝመሰሰሉ እቲ ልዕል ክብል ዝተጠቀሰ ቁፅሪ ሓይሊሰብ ክንሕገዝ ምክአልና
 ካብ ደባጉና ካብ ሸራሮ ብንብርት መልክዕ አብነት ካም ቶታል ስቴሽን ካብ ሰለክለኻ ቴክነክ ኮሌጅ Eltricity
መሽናት ስለዘይብልና ንሽረ ፖሊ ዝተሓገዝና ምኳና
 ኣብ ምምሃር ምስትምሃር ብማቴርያል ምትሕግጋዝ (ኣብ ተመሳሳሊ ዕማም ተዋፊረን ዘለዋ ማሽናትን

ምድላው ብሽረ ፖሊ ዝተሓገዛ ሰልኸለኻ ቴክነክ ኮሌጅ ሸራሮ ቴክነክ ኮሌጅ TTLM ከምዝሓገዝና
 ሽረፖሊ ንደባጉና ቴክንክን ሞያን ኮሌጅ A~level አሰልጠንቲ ምሕጋዝ ዝገብረ ምኳኑ
 ከምሽረ ፖሊ ንሰኽላኻ ብንብርት ምትሕግጋዝ ዝተገብረ ምኳኑ

- ንቀፃሊ ዕዳጋ ፅንዓት ከምክላስተር ዝካየደሉ ዕድል ምፍጣር ተጠሚሩ ብቲ ፅንዓት ትምህርቲ ምጅማር ፡፡

አብ 2016 ዓም ከም ክላስተር ንሸራሮ ቴክነክን ሞያን ኮሌጅ ዝተገብረ ሓገዘ አብዚ 6 ተ ወርሒ ዝገበርናዮ
ሓገዝ

ተቁ ዝርዝር ዓይነት ንብርት በዝሒ ዝተዋሃበ ንብረት ዝሃበት ከሌጅ

1 Computer 01 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

2 Divider 2 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

3 RJ 45 50 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

4 Cimper 10 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

5 Trowel 20 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

6 Bow sow 20 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

7 Hack sow 10 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

8 Sprit level 20 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

9 Try square 15 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

10 Eletrode older 05 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ


11 Hack sow 10 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

12 Meter 10 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

13 Electrode did 25 05 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

14 Flate file 05 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

15 Dis grinder 10 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

16 Dis cutter beg 05 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

17 Tselim menetser gugule 10 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

18 Verner caliper 05 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

19 Arc welding machine smalle 02 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

20 Micro meter 01 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

21 Chisel 10 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

22 Apron lather 05 ደባጉና ቴክነክ ኮሌጅ

23 Hacsow 05 ሰለክለከ ቴክነክ ኮሌጅ

24 Griender 01 ሰለክለከ ቴክነክ ኮሌጅ

25 Blade lack 02 ሰለክለከ ቴክነክ ኮሌጅ

26 Meter 10 ሰለክለከ ቴክነክ ኮሌጅ

27 Electrode 25 ሰለክለከ ቴክነክ ኮሌጅ

28 File 10 ሰለክለከ ቴክነክ ኮሌጅ

29 Tawla ጠውላ 15 ሰለክለከ ቴክነክ ኮሌጅ

30 Mdf 5 ሰለክለከ ቴክነክ ኮሌጅ

31 Computer 2 ሽረ ፖሊ ቴከኒክ ኮሌጅ

32 Desck computer መቀመጢ 6 ሽረ ፖሊ

33 አልኰል 2 ሊትሮ ሽረ ፖሊ

34 እስክረፒቶ 1 ፓኬት ሽረ ፖሊ

35 ደሰጣ ወረቀት 10 ሽረ ፖሊ

ብድምር ከም ክላስተር ዘለና ምትሕግጋዝን ምርድዳእን ፅቡቅ ጅማሮ ምህላዉ ኣብ ምምሃር ምስትምሃር

ብማቴርያል ምትሕግጋዝ ብሓይሊ ሰብ (ኣብ ተመሳሳሊ ዕማም ተዋፊርና ንሰርሕ ክሳብ ዘለና ተጠናኺሩ
ክቅፅል ከምዘለዎ ታሓቢሩ እዩ
ቁልፊ ፀገማት ከም ክላስተር ክንሰግሮም ክንፈትሖም ዘይካአልና ብክልል ተመእኺሉ ክፍታሕልና አለዎ
ተባሂሉ ዝተለዓሉ ሕቶታተ

- ኣብ ሽረ ፖሊን ዘሎ ናይ መሬት ዋንነት ዕልባት ከይረኸበ ንዓመታት ምፅንሑ መሰረታዊ ፀገም ማኻኑ ትሕቲ

ስታንዳርድ ምዃኑ ክልል ምስዝምልከቶ አካል ኮይኑ ፍታሕ ክህበና ንሕብር

- አብ ሽረ ፖሊ mining department Level ~2 ደረጃ 2 ወዲኦም ደረጃ 3&4 ከይነቀፅሎም ጠጠው

ስለዘበሉ ብምኽንያት Assement tool/ AOC /ዘየተዳለወሉ ስለዘኾነ ምስዝምልከቶ አካል ብምዃን ፍታሕ

ክዋሃበና ንሓትት

- ከም ሽረ ሕርሻ ፖሊ አግሮ ፕሮሶሲንግ /ስልጠና ወዲአም ጠጠው ስለዘበሉ ብምኽንያት Assement tool/

AOC /ዘየተዳለወሉ ስለዘኾነ ምስዝምልከቶ አካል ብምዃን ፍታሕ ክዋሃበና ንሓትት

- ንስልጠና ዝተዋሃበ በጀት ትሑት ብም ኳኑ ንስልጠና ብጣዕሚ ተፀጊምና ከምክላስተር ዘተዋሃበ ትኹረት

ከም ቢሮ ትሑት ምኳኑ

- ከም ክላስተር IBEX ስራሕቲ ዘለው ክፍተታት / በቲ ዝተፈጠረ ጆኖሳይዳዊ ውግእ ጠሩነት ምኽንያት
ዝነበረ IBEX ዝጠፈአ እንትኾን ክሳብ ሕዚ እቲ አሳራርሓ ዘይተአታተወ ምኳኑ ስልጠና ሓገዝ
እንተዝግበረልና

 ክም ክላስተር አብ ዋርድያታት ዘሎ ፀገም አብ ዕዳጋ ቁፃር ክንረክብ ስለዘይካአልና ትካላት ንሓደጋ ዝተቃላዓ

ዘለዋ ምኳነን ተፈሊጡ ብክልል ምስ ሲቭል ሰርቪስ ብምዃን ተማእኺሉ መፍትሒ እንተዝዋሃበና

 ከም ክላስተር ዘሎ ናይ ሓይሊ ሰብ ዕግበት አብ ጥቅማጥቅሚ ይኹን አብ ማሃያ ትሑት ብምዃኑ አብ ኩለን

ኮሌጃት ፍልሰት ዘጋጥም ዘሎ ምዃኑ ብምርዳእ ዘለቂ መፍትሒ እንተዝግበረሉ

 አብ ጥቅማጥቅሚ ግብሪ ስለዝቁረፅ ዘሎ አብ ዝቅፅል ዓምት ናሕሲ በጀት እብ ዝታሓዘሉ አብቲ ክቁረፅ

ዘይኽእል ሒሳብ መደብ ንኽታዝ ብልምዓታዊ ቢሮናን ምስትልምን ፋይናነስን ብምዃን እንትዝሰተኸለልና

 እብ ውቅሮ ዘተገብረ አኼባ ዲናትን አመራራሕ ሓይሊ ሰብ ዝተገብረ ምርድዳእ ክሳብ ሕዚ ግብረ መልሲ

ስለዘይተዋሃበና መልሲ ክዋሃበና ንሓትት

 አብ ሕውየት ድጋፍ ዋሃብቲ ዘሎ ቅሬታ ከም ክላስተር አብ ኩለን ኮሌጃት ዘሎ ስመዒት ፅቡቅ ሰለዘይኮነ

ብክልል ከምቲ ናይ አሰልጠንቲ በቢክላስተሩ ተማእኺሉ ዝተዋሃበ ንድጋፍ ዋሃብቲ እውን ካብ ናይ ውሽጢ

አታዊ ትካላት ባዕለን ክኽእላ ብክልል ተማእኺሉ አብ ዝሓፀረ ግዜ ስልጠና እንተዝዋሃበልና


 አብ ቢሮ ዘሎ ዘለዉ ድጋፍ ዋሃብትን ከይዲ ስራሕቲ መተሓባበርቲ ምስ አብ ኮሌጃት ዘለዉ ከይዲስራሕ

መተሓባበርቲ ድጋፍ ወሃብቲ ዘሎ ርክብ ምስ ልምዓታዊ ትልሚ ዘሎ ዝሓሽ እንትኾን ዝተረፋ ግና ትሑት

ስለዝኾነ ደገፍን ክትትል ዘይግበረልና ስለዘኮነ ጠመተ እንተዝዋሃቦ

 ከም ክላስተር ናይ ግሊ ኮሌጃት ዘሎ ስርዓተ ቅፅፅረን ምስ ዘይሕጋዊ ስራሕቲ ይጋነን ስለዘሎ ብክልል

መፍትሒ ጠመተ እንተዝግበረሉ

ከም ክላስተር አብ እንገብሮ አኼባ ካብ ቢሮ ዝምልከቶ አካል እንተዝሰተፍ ዝብል ሓሳብ ተላዒሉ ስለዘሎ

ብአኹም ወገን አወንታዊ ምላሽ ከም ዝዋሃቦ ተስፋ ንገብር

ከም ክላስተር ዘሎ ስርዓት ርክብና ከምዝስዕብ ይከውን

ሓሙሽቲአን ኮሌጃት መ/ትካላት 8x5=40 ኣባላትን 5 ተዲናት ናይ ገበርቲ ሰናይን 3 ተ ቤት ፅሕፈት ሓለፍትን ሓደ

ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብን ምዕራብን AOC ዲስክን መተሓባበሪ ሓዊሱ ብድምር ልዕሊ 41 ኣባላትይህልውዎ፡፡

NB ሓራ ዘይወፃ ኮሌጃት አይሓውስን

9.ናይ ርክብ ግዜ ሰሌዳ (ስርዓት ርክብ) 2016 ዓ/ም (ትልሚ)

ወርሒ
ተ ሽምትካል ሓ ነ መ ጥ ሕ ታ ጥ የ መ ሚ ግ ሰ
/

1 ሽረ-ፖሊቴክኒክ ኮሌጅ X X X
2 ሽረ- ሕርሻ ፖሊ ኮሌጅ x X X
3 ሸራሮ ቴሞትስ ኮሌጅ X X
4 እንዳባጉና TVET ኮሌጅ X
5 ሰለኽለኻ TVET ኮሌጅ X

ብክላስተር እነልዕሎም ሓሳበትን አጀንዳን ክስተኻኸል ዝግቦኦ እንተሃልዩ ይታሓበረልና

ሰላም ራህዋን ንህዝቢ ትግራይ

You might also like