You are on page 1of 72

እንኳዕ ደሓን መፃእኹም

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ


ዋና ከይዲ ስራሕ
ዉፅኢት መሰረት ዝገበረ ስልጠና
ናይ ቅድሚ ስራሕ ምድላው
ልቦናዊ ክእለታት ስልጠና
መፅሓፍ ሓደ
ሓምለ 2009 ዓ\ም
ኣኽሱም
• ዕላማ ስልጠና
• ናይ ስፌት ሰብ ሞያታት ብዛዕባ እቲ ዝሰርሕዎ ስራሕ
ኣቐዲሞም ክዳለው ብምግባር ኣብ ስራሕ ቦታ ንዝገጥሞም ናይ
ስራሕን ሂወትን ፈተናታት ብዝግባእ መልሲ ንምሃብ ዘክእሎም
ብቅዓትን ክእለትን ብምዕባይ ንባዕልቶምን ቆፃሪ ትካልን
ውፅኢታዊ ንምግባር ዝወሃብ ናይ ቅድሚ ምቁፃሮም ድልዊ
ንምግባር ስልጠና እዩ።
ናይ ስፌት ሰልጠንቲ ቅድመ ስራሕ ክእለት ልቦና መሰልጠኒ
መፅሓፍ ዝሕዞም ክፍላት
• ክፍሊ ሓደ:- ስራሕ
• ክፍሊ ክልተ:- ሓላፍነት
• ክፍሊ ሰለስተ:- ውፅኢታውነት
• ክፍሊ ኣርባዕተ:- ናይ ግዜ ኣጠቃቕማ
• ክፍሊ ሓሙሽተ:- ትካላዊ ኣሰራርሓ ምርዳእ
ትሕዝቶታት እዚ ስልጠና

ክፍሊ ሓደ:- ስራሕ


 ምዕራፍ 1 - ናይ ስራሕ ጥቅምን ድሌትን ምርዳእ
 ምዕራፍ 2 - ናይ ቀፃሊ ስራሕ ዕላማን ዕቤትን
 ምዕራፍ 3 - ኣብ ሓደ ቦታ ተረጋጊዕኻ ናይ ምስራሕ ጥቅምታት
 ምዕራፍ 4 - ናይ ስራሕ ስነ ምግባር
 ምዕራፍ 5 - ጉጅለ ሰራሕን ምርድዳእን
 ምዕራፍ 6 - ናይ ስራሕ ዕግበትን መሰረታዊ ናይ ገንዘብ
ኣተሓሕዛን
ክፍሊ ክልተ- ሓላፍነት
ምዕራፍ 7 - ናተይነት ስምዒት
ምዕራፍ 8 - ተበግሶ ምህላው
ምዕራፍ 9 - ኣብነት ምኳን
ምዕራፍ 10 - ንለውጢ ድልው ምኳን
ምዕራፍ 11 - ናይ ግጭት ኣፈታትሓ ኣንፈት
ክፍሊ ሰለስተ -ውፅኢታውነት
ምዕራፍ 12- ዕላማ ምስኸዕ
ምዕራፍ 13 ናይ ሃፍቲ ኣጠቓቅማ
ምዕራፍ 14- ናይ ምህርቲ ፅሬት
ምዕራፍ 15- ትካላዊ ውፅኢታውነት
ክፍሊ ኣርባዕተ ኣጠቓቕማ ግዜ

• ምዕራፍ-16 ናይ ግዜ ዋጋ ኣብ ፉብሪካ
• ምዕራፍ-17 መሰረታዊ ናይ ጊዜ አጠቃቅማ ሜላታት
• ክፍሊ ሓሙሽተ- ትካላዊ ኣስራርሓ ምርዳእ
ምዕ 18- ትካላዊ ኣስራርሓን ጥቅምታቱን
ምዕ 19-ናይ ስፌት በዓል ሞያ መሰልን ግዴታን
ክፍሊ:- ሓደ
• ስራሕ
• ስራሕ እንታይ ማለት እዩ?
• ስራሕ ምስራሕ ንምንታይ ይጠቅም?
• ብስራሕና ውፅኢታዊ ንምኳን እንታይ ክንገብር ይግበአና?
ናይ ስራሕ ጥቅምን ድሌትን ምርዳእ
• ስራሕ እንታይ እዩ?
• ስራሕ ናይ ደቂ ሰባት መንነት መግለፅን ኣብቲ ማሕበረሰብ
ውሽጢ ድማ ከም ሓደ ኣካል ዘቑፅር ተግባር እዩ?
• ስራሕ ምስራሕ ንምንታይ ይጠቅም?
• ትርጉም ዘለዎ ሂወት ንምንባር፣ ኣብ ናብራና ዘድልየና ነገራት
ንምምላእ፣ ንምግዛእ፣ ንሕሊና ዕግበት፣ ኣታዊ ንምርካብ፣
ቤተሰብ ንምምሕዳር፣ ሃፍቲ ንምፍራይ፣ ሕ/ሰብ ንምጥቃም፣
ንሃገር ዕብየትን ምዕባለን ይጠቅም።
ምዕራፍ ሓደ
• ናይ ስራሕ ጥቅምን ድሌትን ምርዳእ
 ኣብ ስራሕና ውፅኢታዊ ንምዃን እንታይ ክንገብር ይግበአና?
• መጀመርያ ጥቅምን ድሌትን ብምርዳእ ብዝተስማረናዮ ናይ
ስራሕ ዘርፊ ብድሌት፣ ብትግሃት፣ ብቆራፅነትን ፍቅርን ከምኡ
እውን ንባዕልኻ ውፍይ ብምግባርን ንዝገጥሙና ዕንቅፋት
ብምፅዋርን ክንሰርሕ ይግበአና።
ናይ ምዕራፍ ሓደ መጠቓለሊ ሓሳብ
• ናይ ስራሕ ጥቕምን ድሌትን ምርዳእ
• ናይ ስራሕ ምንቅስቃስ ኣብ ውፅኢታዊ ደረጃ ንምብፃሕ
ትግሃት ፅንዓትን ናይ ስራሕ ቆራፅነትን የድሊ እዩ።
• ናይ ሓደ ስራሕ ውፅኢታዊነት ዝልከዐሉ እቲ ትካል ዝሃበካ
ስራሕ ብፍጥነትን ፅሬትን ብዘይ ምንም ብኽነት ምስራሕ
እንትንክእል ጥራሕ እዩ።
• ናይ ስራሕ ድሌት ምርዳእ፣ ጉልበት ፣ ፍልጠትን ግዜን
ተጠቒምካ ኣብ ውፅኢታዊነት ንምብፃሕ የኽእለና
ምዕራፍ ክልተ:- ናይ ቀፃሊ ስራሕ ዕላማን ዕብየትን
• 2.1. ናይ ቀፃሊ ስራሕ ዕላማን ዕብየትን ምሕሳብ ዘለዎ
ጥቕሚ እንታይ እዩ?
 ብዛዕባ ስራሕና ናይ ቀፃሊ ዕላማን ዕብየትን ምሕሳብ ብዙሕ ጥቅምታት
ኣለውዎ ።
ካብኣቶም ውሽጢ
• ስራሕና ኣኽቢርና ፈቲናዮን ክንሰርሕ ይሕግዘና
• ናይ ቀፃሊ ናይ ሂወት ኣንፈት ይውስነልና
• ውፅኢታውያን ንክንኸውን ይሕግዝ
• ሕጉሳትን ዝጭበጥ ተስፋ ዘለና ሰባት ክንከውን ይገብረና
• ንናይ ሎሚ ስራሕና ክብሪ ሂብና ክንሰርሕ ይሕግዘና
• ኣብ ስራሕ ቦታና ዝፍጠሩ ወቕታውን ኣናእሽተይ ፀገማት ብፅንዓት
ኪኢልና ውፅኢታዊ ንክንኸውን ይረደአና።
• ፅባሕ ብተስፋ ብምርኣይ ክንሰርሕን ውፅኢታዊ ንኽንከውን የኽእለና
• ኣብቲ ሞያ ድማ ብቕዓት ብምጥራይ ውፅኢታዊነት ይዓቢ

ናይ ምዕራፍ ክልተ መጠቓለሊ ሓሳብ
ናይ ቀፃሊ ስራሕ ዕላማን ዕብየትን
• ናይ ሞያ ዕብየት ንምምፃእ ይሕግዝ
• እቲ ሞያ ንምፍታው ይሕግዝ
• ዝገጥሙና ፀገማት ብፅንዓት ንምሕላፍ
• ናይ ስራሕ ተፈጥራዊ ከይዲ ንምቅባል
• ብኣቋራፂ ንምዕባይ ብምድላይ ግዜ ንዘይምብኻን
ናይ ስራሕ መሰረታዊ ሓሰባት
• ስራሕ ሓደ ውፅኢት የምፅእ ወይ ንክንበፅሖ መንገዲ ይኸፍት
• ስራሕ ኣድላይ ግዴታን ትእዛዝን ምሕላፍ ይጥይቕ እዩ።
• ስራሕ ንምውዳእን ንምርካብን ግዜ የድልዩ እዩ።
• ኣብ ሓደ ቦታ ተረጋጊዕካ ናይ ምስራሕ ጥቕምታት

• ኣብ ሓደ ቦታ ተረጋጊዕኻ ምስራሕ እንትብሃል እንታይ ማለት


እዩ?
• ኣብ ሓደ ቦታ ተረጋጊዕኻ ምስራሕ እንታይ ጥቕሚ ይህብ?
 ስራሕና ብዝግባእ ንኽንመልኮ ይሕግዘና
 ናይ ስራሕ ዕቤት ይህልወና
 ወዘተ
ናይ ምዕራፍ ሰለስተ መጠቓለሊ ሓሳብ
• ናይ ስፌት ሞያ ብባህሪኡ ተረጋጊዕኻ ምስራሕ ይሓትት እዩ።
• ግዜን ንብረትን እንተይኣባኸንካ ምስራሕ የድሊ
• ነቲ ሞያ ዓብይ ክብርን ፍቕርን ብምሃብ ሞያና ምዕባይ
የድልየና
• ስምዒትና ብዝመርሐና እንተይኮነስ ዕላማና ብዝመረሐና
ምስራሕን ውፅኢታዊ ምኳንን ይሓትት።
• ምዕራፍ ኣርባዕተ
• ናይ ስራሕ ስነ-ምግባር
• ናይ ስራሕ ስነምግባር እንታይ ማለት እዩ?
ስራሕ ስነ-ምግባር የድልዮ እዩ። እዚ ድማ ብመሰረት ናይቲ ትካል ኣሰራርሓን
ብቅልጡፍን ብፅሬትን ን እቲ ስራሕ ወዲእኻ ምርካብን እዩ።
• 1. ምትሕብባር (ምስ ካልኦት ተሓባቢርኻ ናይ ምስራሕ ክእለት)
• 2. ተበግሶ ስራሕ (ኣቐዲምኻ ምስራሕ)
• 3. ኣኽብሮት
• 4. ኣብ ሃናፂ ነቐፌታ ዘለኒ ኣረኣእያ
• 5. ቁፅፅር
• 6. ፅርየት ስራሕ
• 7. ኣፈፃፅማ ስራሕ
• 8. ኣጠቓቕማ ግዜ
• 9. ምስ ኩነታት ምኻድ
• 10. ናይ ውልቀ ገፅታ (ፅርየትን ውልቀ ንፅህናን)
• 11. ቖፀራ ምኽባር
ናይ ጉጅለ ምይይጥ
• ኣብ ዕለታዊ ናብራና ብጋንታ ኣብ እንሰርሐሉ እዋን
ዘጋጠሙና ጠንካራን ድኹምን ጎኒ ተመያየጡ።
• ምርድዳእ እንታይ እዩ?
ምዕራፍ 5 ጉጅለ ስራሕን ምርድዳእን
ናይ ጋንታ ስራሕን ምርድዳእን
• ምርድዳእ ሰባት ምስ ሰባት ከምኡ እውን ሰባት ምስ ትካል ዝገብርዎ ናይ ሓሳብ ልውውጥን ኣብ
ስምምዕነት ምብፃሕን እዩ።
• እዚ ንምምፃእን ውፅኢታዊ ንምዃንን ዝኾነ ናይ ጋንታ ስራሕ እንተነኣሰ ኣርባዕተ ደረጃታት ክሓልፍ
ናይቲ ዘርፊ ሙሁራት ይመኽሩ እዮም።
• ጋንታ ወይ ናይ ኩልኻ ስራሕ መመስረቲ ግዜ (forming) ኩልና ሓቢሮምና ካብ ዝስርሑ ናይቲ
ጋንታ ኣባላት (መስርሕትና) ብጋሻ ባህሪ እንፋለጠሉ ናይ መፍለጢ ግዜ እዩ።
• ናይ ንፅፅር (ግጭት)ግዜ (Storming) ኣብዚ ደረጃ ዘለናሉ ጋንታ /መሳርሕትና) ምስ ካሊእ
ብምንፅፃር ናይ ግጭት ወይ ናይ ሙቐት ግዜ እዩ። በዚ ግዜ ምስትውዓል የድሊ እዩ። ሓቁ ብምርኣይ
ናይቲ ጋንታ ዕላማን ሓድነትን ኩሉ ሰብ ክሕልዎ እንተኪኢሉ እቲ ጋንታ ይኹን ኣባላት ውፅኢታዊ
ይኸውን። እዚ እንተዘይኮይኑ ብተቓራኒ ይኸውን እቲ ጋንታ እውን ናይ ምብታን ዕድል ይህልዎ።
• ናይ ውፅኢታውነት ግዜ (performing) ኣብዚ ግዜ ናይቲ ጋንታ ኣባላት ናይ ንፅፅር (ግጭት) ግዜ
ብምስትውዓልን ብጥበብን እንተሓሊፎምዎ ባዕሎም ንባዕሎም ስለ ዝተፋለጡ ኩሎም ናይቲ ጋንታ
ኣባላት ውፅኢታዊ ናይ ምኳን ዕድሎም ሰፊሕ እዩ።
• ናይ መበተኒ ግዜ (Adjuing) እዚ ብርኪ እቲ ጋንታ ብስምምዕነት ወይ ከም መጀመርያ
ስምምዕነቶም ወይ እቲ ስራሕ ተወዲኡ ዝርኢሉ ግዜ እዩ።

• ናይ ጉጅለ ምይይጥ
• ብጋንታ ምስራሕ ንስፌት ስራሕቲ ዘለዎ ጥቅሚ ታይ እዩ?
• ብጋንታ ምስራሕ ንሰራሕተኛን ንትካልን ትርፋማነት ዝህብ
ጥቅሚ ዘርዝር
 ስልጠት ስራሕ
 ፅሬት ስራሕ
 ሞያኻ መዕባይ
 ማሕበራዊ ርክባት ምጥንኻር
ምዕራፍ ሽድሽተ
ናይ ስራሕ ዕግበትን መሰረታዊ ናይ ገንዘብ ኣተሓሓዛን
• ናይ ስራሕ ዕግበት ታይ ማለት እዩ?
 ኣብ ስራሕኻ ልዑል ድሌት ምሕዳር
 ብገንዘብ አንተይኮነስ ብሰራሕ ምዕጋብ
መሰረታዊ ናይ ገንዘብ ኣተሓሕዛ ክእለታት
ናይ ቁጠባ ዕላማ ምህላው
ናይ ቁጠባ ትልሚ ምህላው
መሰረታዊ ደሌታተን ድሌታትን ፈሊካ ምፍላጥ
ወፃኢኻ ኣታዊኻን ምቁፅፃር
ክፍሊ ክልተ- ሓላፍነት
ምዕራፍ 7 - ናተይነት ስምዒት
ምዕራፍ 8 - ተበግሶ ምህላው
ምዕራፍ 9 - ኣብነት ምኳን
ምዕራፍ 10 - ንለውጢ ድልው ምኳን
ምዕራፍ 11 - ናይ ግጭት ኣፈታትሓ ኣንፈት
ምዕራፍ 7 - ናተይነት ስምዒት

• ንናይ ባዕልናን፣ ቤተሰብናን ትካልናን ከምኡ ውን ናይ


ኣዕርክትና ንብረት ከመይ ኢና ንጥንቀቖ ?
• ናተይነት ስምዒት ንምዕባይ ንስፌት በዓል ሞያ እንታይ
ጥቅሚ ኣለዎ?
• ሓደ ናይ ስፌት ሰራሕተኛ ናተይነት ስሚዒት ሃሊይዎ
ዘይትሰርሕ እንተኾይና ኣብ ስራሕ እንታይ ክፍጠር ይኽእል?
ምዕራፍ - ሸሞንተ
ተበግሶ ምህላው
• ሓደ ናይ ስፌት በዓል ሞያ ሙሉእ ተበግሶ ክገብሮሎም
ዝግባእ ነገራት
• ንሞያናን ንእንሰርሖ ስራሕን
• ንዝተቆፀረትሉ ትካል ናይ ስራሕ ትእዛዝ፣ ዕላማን ዝፅበይዎ
ውፅኢትን
• ናይ ስራሕ ውፅኢትና ንዝጥቀሙ ማሕበረሰብን
• ጉጅለ ምይይጥ
• ኣብ ፋብሪካ ውሽጢ ሓደ ናይ ስፌት ሰራሕተኛ ንባዕሉ
ብሙሉእ ተበግሶ እንተዘይሰሪሑ እንታይ ክፍጠር ይኽእል?
• ምዕራፍ - ትሸዓተ
• ኣብነታዊ ምኳን
• ኣብነት ምዃን እንትበሃል ናይ ስፌት በዓል ሞያ ብሞየኦም
ዝምልከትን ብካልኦት ስነ-ምግባርን ኣብ ስራሕ ቦተኦምን ካብ
ስራሕ ወፃእን ኣብነት ኮይንካ ምርኣይ ማለት እዩ።
• ኣብ ሂወትና ኣብነት እንብሎም ሰባት ሰለስተ ጥቐሱ ከምኡ
እውን ከመይ ኣብነት ከም ዝገበረናዮም ምስ ማሓዙትኩም
ተመያየጡ?
• ጉጅለ ምይይጥ
• ኣብነት ብምኳን ስራሕ ምስራሕ ማለት እንታይ ማለት እዩ?
• ኣብነት ክንገብሮም ዘይግቡኡና ባህርያት እንታይን እንታይን
እዮም?
ምዕራፍ -ዓሰርተ
 ንለውጢ ድልው ምኳን
• ንለውጢ ድልው ምኳን ማለት ናይ ስፌት በዓል ሞያ ብምያኣ/ኡ ንምዕባይ
ብቁዕ በዓል ሞያ ንምኳን ወቅቱ፣ ትካላዊ ኣሰራርሓ ከምኡ እውን ቴክኖሎጂ
ነዘምፀኦ ለውጢ ብተወሳኺ እውን ንኩነታት ዝምቹ ምስ ለውጢ ዝኸይድ
ባህሪ ምዕባይ ማለት እዩ። “ኣብ ለውጢ ውሽጢ ምስታፍ ማለት ምዕባይ
ማለት እዩ። ዝኾነ ይኹን ዘይለወጥ እንተኾይኑ ኣይዓብን ”
 ብዋናነት ኣድለይቲ ዝኾኑ ለውጥታት ድማ
• ናይ ስራሕ ባህሊ ለውጢ (ካብ ዝተለመደ ውፅእ ዝበለ ናይ ኣሰራርሓ ሜላ
ተኸቲልካ ምኻድ፣ ምስ ዘመኑ ለውጢ ምግባር)
• ናይ ግዜ ኣጠቓቕማ ለውጢ
• ናይ ገንዘብ ኣጠቓቕማ ለውጢ
• ናይ ናብራ ኣካይዳ ለውጢ
• ዓለም እንምልከተሉ ኣተሓሳስባ ምልዋጥ ወዘተ…. እዮም።
ንለዉጢ ድልው ምኻን
ናይ ኣሞራ ታሪኽ
ናይ ጉጅለ ምይይጥ
• ናይ ስራሕ ስነ-ምግባር ምልዋጥ ዘለዎ ጥቕምን ጉድኣትን
እንታይ እዩ?
• ሓደ ናይ ስፌት ባዓል ሞያ ኣድለይቲ ኩነታት ንምቅባል
ንባዕላ/ሉ ንለውጢ እንተዘይ ተደልያ/ዩ ዝፍጠር ፀገም
እንታይ እዩ?

ምዕራፍ ዓሰርተ ሓደ
ናይ ግጭት ኣፈታትሓ ኣንፈት
• ግጭት ማለት ብግለስባት፣ ኣብ ጋንታ ውሸጢን ኣብ ጋንታ
ክህሉ ዝኽእል ናይ ውልቀ ድሌት፣ እምነት፣ ልምዲ
ኣጠቃቕማ ሃፍቲ ናይ ኣተሓስሰባ ለውጢ ምኽንያታት
ብምግባር ክፍጠር ዝኽእል ዘይምርድዳእ ’ዩ፡፡
ናይ ግጭት ኣፈታትሓ ብርክታት

ነቲ ነቲ
መፍት መፍት መፍት
ፀገም ሓሳባት
ሓበሬታ ሒ ሒ ሒ
ምፍ   ምምን   
ምእካብ ምም ተግባራ ምግ
ላይ ጫው
ራፅ ዊ ምጋ
ምግባር ም
• ፀገም ምፍላይ፡- ካብ ስምዒት ናፃ ብምኻን ነቲ ፀገም ብንፁር ምቕማጥ
የድሊ፡፡
• ብዛዕባ እቲ ፀገም ተወሳኺ ሓበሬታ ምእካብ፡- ካብ ተቖፃፀርቲ፣ ካብ
መሳርሕቲ፣ ካብ ኣዕርኽቲ፣ ካብ ስድራ ከምኡ’ዉን ካብ ዝተፅሓፉ
ሰነዳት ሓበሬታ ምእካብ ጠቓሚ እዩ፡፡
• ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ዝሕግዙ ሓሳባት ምምንጫው፡- ብዙሕ ግዜ
ልዕሊ ሓደ መፍትሒ ከምዝህሉ ምርዳእ ይግባእ፡፡
• መፍትሒ ምምራፅ፡- ነቲ መፍትሒ ኣብ ምምራፅ ብዙሓት ሰባት
ተሳተፍቲ እንተኾይኖም ኩሎም ኣብ’ቲ ዝተመረፀ መፍትሒ
ክስማምዑ ይግባእ፡፡
• ነቲ መፍትሒ ተግባራዊ ምግባር፡-
• ነቲ መፍትሒ ምግምጋም፡- እቲ ፀገም ናይ እማን ተፈቲሑ ድዩ? ዝብል
ሕቶ ክምለስ ግድን’ዩ፡፡
ተወሰኽቲ ጠቐምቲ ናይ መፍትሒ ሓሳባት፡-

• ዝጭብጥ፡- እቲ መፍትሒ ብክልስ ሓሳብ ጥራሕ እንተይኮነስ


ኣብ ተግባር’ዉን ዝውዕል ክኸዉን ኣለዎ፡፡
• ውፅኢታዊ፡- እቲ መፍትሒ ነቲ ፀገም መልሲ ዝህብ ክኸዉን
ይግባእ፡፡
• ተቐባልነት ዘለዎ፡- መፍትሒ ንምምፃእ ዝተሳተፉ ኩሎም
ዝሰማምዑሉ ክኸዉን ኣለዎ፡፡
• ብስነሞጎት ዝተደገፈ፡- እቲ መፍትሒ ስምዒታዊ እንተይኮነስ
ሚዛናዊ ክኸዉን ኣለዎ፡፡
ናይ ግጭት ሳዕቤን
• ግዜ ይቀትል፣ ስባት ይፈለሊ
• ሕሊና የበላሽው፣ ፈቅሪ ይቅንስ
• ውፅእታውነት ይቅንስ
• ጥዕና ይጉድእ፣ንድሕሪት ይምልስ
• ስራሕ ይጎድእ
ናይ ግጭት ብርቱዕ ጎኒ
• ንለውጢ መበገሲ ይኸውን፣ ንዝሓላፈ ይግምግም
• ድሕሪ ግምገማ ጠቓምን ጎዳእን ተፈልዮም ይራኣዩ
• ናይ ቀፃሊ ሓደሽቲ ሓሳባትን ኣስራርሓን ይምህዙ
• ዘይተራእዩ ሓሳባት ንክራኣዩ ብምግበር ግልፅነት የምፅእ
• ዕብየትን ውፅኢታውነትን የፋጥን
• ኩሉ ኣስታፊ ይገብር ሰባት ’ውን ይመሃርሉ
ናይ ጉጅለ ምይይጥ
• ኣብ ስራሕ ቦታ ኮነ ብግሊ ናይ ግጭት መበገሲታት እንታይ
እንታይ’ዮም ?
• ኣብ ኣፈታትሐ እዚ ግጭት ናይ በዕልና ኣስተዋፀኦ
እንታይ’ዮ?
ክፍሊ ሰለስተ -ውፅኢታውነት

ምዕራፍ 12- ዕለማ ምስኸዕ


ምዕራፍ 13 ናይ ሃፍቲ ኣጠቓቅማ
ምዕራፍ 14- ናይ ምህርቲ ፅሬት
ምዕራፍ 15- ትከላዊ ውፅኢታውነት

01/27/2024 MG Training, Research and Consulta 45


ncy
ምዕራፍ ዓስርተ ክልተ
ዕለማ ምስኸዕ
• ዕለማ ንቀፃሊ ክስራሕ ወይ ክፍፀም ዝኽእል ናይ ስፌት
ፉብሪካ ወይ ናይ ግለ ሰብ ስፌት በዓል ሞያ ክበፅሖ
ዝሐስቦ’ዮ፡፡
• ናይ ጉጅለ ምይይጥ
• ናይ እግሪ ኩዕሸ ናይ ጋንታ ፀዋታ ዕለማን ናይ ሓደ ተፃዋቲ
ዕለማ ተመስሰለነትን ኣፈላለዮምን እንታይ’ዮ?
• ዕለማ ብፉብሪካ ደረጃ ወይ ብግለ ስብ ደረጃ ክዳሎ
ይኽእል’ዮ
• ስለዚ በዚ ከነታት እዚ ክልተ ናይ ዕለማ ዓይነታት ይኸውን
ማለትዩ ኣብዚ ትኹረት ክግበረሉ ዝግበእ ጉዳይ ብዝኾነ
መልክዑ ሓደ ናይ ሰፌት በዓል ሞያ ዝተቐፀረሉ ፉብሪካ ናይ
ግሉ ዕለማ ምግባርን ናይ ግሉ ዕለም ድማ ምስ ናይ ፉብሪካ
ዕለማ ክናብበ ይግበእ እዚ እንትኾን ድማ ውፅአታውነት
ይመፅእ፡፡
• ናይ ጉጅለ ምይይጥ
• ናይ ግልና ይኹን ዝተቆፀረናዮ ትካል ዕለማ ንምስኻዕ እንታይ
ክንገብር ይግበአና?
• ተቆፂሩ ንዝስርሕ ናይ ስፌት በዓል ሞያ ስራሕተኛ ዝለዓለን
ናይ መጀመርያ ትኹረት ክወሃቦ ዝግበእ ዕለማ ኣየናይ’ዮ?
ንምንታይ?
 ናይ ስፌት ፉብሪካ ዕለማ ንምስኸዕ ናይ በዓል ሞያ
ኣስተዋፀኦ እዞም ዝስዕቡ’ዮም
• እቲ ዕለማ ብዝግበእ ምርዳእ
• ናይ ፉብሪካ ዕለማ ናይ በዕልና ዕለማ ምግባር
• ንዕለማ ምስኻዕ ቅኑዕ ኣመለኸክታ ምህለው
• ንባዕልኻ ምግምጋም
• ዝተወሃበና ናይ ስራሕ ብፅሒት ምፍለጥ፣ምኽበርን
ውፅኢታዊ ምግባርን
• ምስ ካልአት ተሓበቢርከ ምስራሕ
ምዕራፍ ዓሰርተ ስለሰተ
ናይ ሃፍቲ ኣጠቓቅማ
• ናይ ሃፍቲ ኣጠቓቅማ እንትብሃል ሓደ ናይ ሰፌት በዓል ሞያ
ዝተቆፀረሉ ናይ ስፌት ፉብሪካ ውሽጢ ዝወሃቦ ንብረት
ብኣግበቡ ብምጥቀም ከምኡ’ውን ጥረ-ኣቐሓ ብዘይ
ምብልሻውን ማለት,ውን ብልሽት ብምቕናስ እቲ ፉብሪካ
ውፅኢታዊ ምግባር’ዮ ”ዘመናዊ ኣተሓስሰበ ሃፍቲ እንታይ
ኣባኸንካ ብዙሕ ትርፊ ይርከብ ማለት’ዩ”፡፡
ኣብ ሰፌት ፉብሪካ ውሸጢ ዝርከቡ ዋና ዋና ሃፍትታት
• ስባት
• ንብረት /ናይ ሰፌት ማሽን፣ጨርቂ፣ክሪን መለዋወጥን/
• ግዜ
• ገንዘብ
• ፍልጠት
• ሓበሬታ
ሃፍቲ ብኣግበቡ ብዘይ ምጥቃም ዘስዕበ ፀገም እንታይ እዩ
• ሃፍቲ ብኣግበቡ ብዘይ ምጥቃም ዘስዕበ ፀገም
• ውፅኢታውነት ይቅንስ
• ነቲ ፉብሪካ ንኪስራ ይዕድም
• ኣብ ሃገር ኢኮኖሚ ተፅዕኖ የምፅእ
• ናይ ጥፉኣተኝነት ስምዒት የኸትል
• ናይ ፍልጠትን ውሳነ ኣወሃበ ሸግር ከም ዘሎ የርእየና
• ምዕራፍ ዓሰርተ ኣርበዕተ
• ናይ ምህርቲ ፅሬት
• ኣብ ጨርቂ ስፌት ውሽጢ ናይ ምህርቲ ፅሬት ማለት ብዝተደለየ
ግዜ፣ብዝተኣዘዞ መስረት ብዝተደለየ ዓይነትን በዝሕን ብኣግበቡ ብምጥቃም
ትኽክለኛ ምህርቲ ምምራትን ምቕራብን ማለት’ዮ፡፡ ናይ ስፌት ስራሕ ፅሬት
ምህርቲ ንምሕለው ብሓደ በዓል ሞያ ክግበሩ ዝግቦኦም ጥንቃቐታት
• ነቲ ሞያን ሞያተኛን ስምን ክብርን ንዘይ ምብልሽው መጀመርያ ምውስን
• ንዓ ማዊል ምጥንቃቕ
• ግዜ ንዘይ ምብኻን ምጥንቃቕ
• ንዝተኣዛዘ ትእዛዝ ብጥንቃቐ ምሓዝ
• ንጨርቂ፣ንስፌት ኣጨራርስን ምጥንቃቕ
• ንቀለምን ባህልን ጥንቃቐ ምግባር
• ንኣተዓሸሸጋ ምህርቲ ጥንቃቕ ምግባር
ናይ ስፌት ስራሕ ፅሬት ክህልዎ ምግባር ዘለዎ ጥቕሚ
• እቲ ምህርቲ ተቀበልነት ይረክብ፣ ትከል’ውን ትርፉማ
ይኸውን
• ናይ ሰፌት ስብ ሞያታት ‘ውን ንሸልማት የብቅዕን ሓጎስ
ክህልወካ ይገብር፣
• ኣብ ናይ ጨርቂ ዕዳጋ’ውን እቲ ትካል ተወዳደሪ ከይኑ
ክፀንሕ ይሕግዝ፣
• ሓደስቲ ኣስራርሓታት ይፍጠሩ፣
• እቲ ምህርቲ ይኹን እቲ ትከል ፅቡቕ ስም ክህልዎ ይገብር፡፡
ፅሬቱ ዘይሓለወ ናይ ስፌት ስራሕቲ ዘበፀሐ ጉደኣት ድማ ከም
ዝስዕብ ይኸውን፡፡
• ናይ ስፌት በዓል ሞያ ተደለይነት ይቅንስ
• ናይ ስፌት ፉብሪካ ክሳብ ስራሕቶም ጠጠው ምበል ይበፅሑ
• ናይ ሃገር ኢከኖሚ ይጎድእ፡፡
ምዕራፍ ዓሰርተ ሓመሸተ
ትከላዊ ውፅኢታውነት
• ትከላዊ ውፅኢታውነት ማለት ሓደ ናይ ስፌት ትካል ዝተመሰረተሉ
ናይ ስፌት ዕለማን በዚ ኣቢሉ’ውን ትርፊ ይርከብን ብበዓል ሞያ ስፌት
ምኽንያት እቲ ዕለማ እንትሳኸዕ ማለት’ ዮ፡፡ ፉብሪካ ስፌት ትርፍማ
እንትኾኑ ንስፌት ሰብ ሞያታት ዝህብዎ ጥቅሚ ከምዝስዕብ’ዩ ፡፡
• በቲ ሞያ ንክዓቢ ይሕግዝዎ
• እቲ በዓል ሞያ ንበዕሉ ትርፉማ ይኸውን
• ብምየኦም ፅቡቅ ሰምን ተደለይነትን የሕድሩ
• ናይ ስራሕ ምፍንቓል ኣይበፀሖምን
• ከልኦት መብረታታዒ ንምርካብ ዕድል ይኸፍት
• ንኸልኦት ወገናት ዕድል ስራሕ ይፈጥሩ
ኣብ ፉብሪካ ስፌት ውሽጢ ትርፊ ንምምላእ መሻርኽቲ
ኣከላት ዝኾኑ
• ናይ ፅሬት ስራሕተኛ
• ናይ ሓለዋ ስራሕተኛ
• ናይ ምምሕደር ስራሕተኛታት
• በዓል ሞያ ስፌት ስራሕተኛታት
• ናይ ከይዲ ስራሕቲ ተቆፃፀርቲ
• ዋና ናይ ስራሕ ሓላፊቲ
• ናይቲ ፉብሪካ ወነንቲ
ፅቡቕ ትካለዊ ውፅኢት ክመፅእ ወይ ክረከብ ዝኽእል
• ኩሉ ስብ ናይ ብሞያ ተስትፎ እንትህልዎ
• ኩሉ ስራሕተኛ ናይቲ ትካል ዕለማ ንምስኸዕ ብፅሒቱ
እንተዋፃእ እንተሎ እዩ፡፡
ክፍሊ ኣርባዕተ ኣጠቓቕማ ግዜ
• ምዕራፍ-16 ናይ ግዜ ዋጋ ኣብ ፉብሪካ

• ምዕራፍ-17 መሰረታዊ ናይ ጊዜ አጠቃቅማ ሜላታት


ምዕራፍ-16 ናይ ግዜ ዋጋ ኣብ ፉብሪካ
• ናይ ግዜ ዋጋ ንሕድ ሕድ ስብን፣ንሕ/ስብን ከም ሰርሓ
መጠንን ከም ዘለዎ መጠን ፀገምን ዘለዎ ዋጋ ዓብይን
ክትግምት ዘይትኽእልን’ዩ
• ኣብ ፉብሪካታት ውሽጢ ግዜ ዘለዎ ዋጋ
• ትርፊ ክህልወካን ዘይክህለወካን ወሳኒ’ዩ
• ካብቶም ቁልፊ ዝበሃሉ ሃፍትታት ሓደን ወሳንን’ዩ
• ዝዓበየ ኣፈላለይ ፈጣሪ’ዩ
• ተንቀሰቐሲ ሃፍቲ’ዩ
• ኣብ መጠራቐሚ ክፅንሕ ዘይኽእል ሃፍቲ’ዩ
• ናይ ጉጅለ ምይይጥ
• ማዕልታዊ ናይ ግዜ ኣጠቓቕማ ልምድኹም ከመይ ከም ዝኾነ
ዘርዚርኩም ተመያየጡ ከምኡ’ውን ደከማን ጥንኩርን ጎንታት
ኣወፅኡ
ምዕ17- መሰረታዊ ናይ ጊዜ አጠቃቅማ ሜላታት

ሓደ በዓለ ሞያ ብዝተዋሃቦ ግዜ ውፅኢታዊ ንምኸን


• ውፅኢትና ዝልካዕ ብዝተወሃበና ግዜ ምስራሕ ምዃኑ ምርዳእ
• ናይ ግዜ ኣጠቓቕማ ትልሚ ምውፃእ
• ግዜ ንክኽበር ንባዕልኸ ሙሉእ ብሙሉእ ውፍይ ምዃን
• ኣብ ስዓትካ ተረኺብካ ስራሕ ብግዝኡ ንምውዳእ ንበዓልኸ
ምልዕዓል
ጥቕምታት ናይ ስራሕ ስዓት ምኽባር
• ውፅኢታውን ሕጉስን ይገብር
• ኣብ ዕደጋ ተወደዳሪ ይገብር
• ዕድላት ክንጥቀም ይሕግዝ
• ስንፍና የወግድ
ግዜ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክጠፈእ ይኽእል’ዩ ካብኣቶም ከም ኣብነት
ንምጥቃስ
– ነቲ ስራሕ ዘየድሊ ናይ ስልኪ ርክክብ ምብዛሕ
– ምስ ዕለማ ዘይብሎም መሓዙት ግዜ ምሕለፍ
– ቴሌቨዥን ከምኡ’ውን ፌስ ቡክ ብዘሕ ሰዓት ምጥቃም
– ነቲ ስራሕ ዘየድልዩ ዘረበታትን ሐሜታትን
– እቲ ማሕብረሰብ ንግዜ ዘለዎ ኣመለኸኽታ
– ዝነወሓ ናይ ሻሂ፣ቡና ግዜ
– ስራሕ ቦታ ምቅይያር
– ካብ ልክዕ ዝሓለፍ ድቃስ
– ዝምቹ ኩነታት ጥራሕ ምድላይ
– ንስራሕ፣ንሰባት ወይ ነቲ ትካል ክብሪ ዘይ ምሃብ
– ግዲ ዘይብልካ ምዃን
– ነቲ ዘመን ዘይምርዳእ
• ክፍሊ ሓሙሽተ- ትካላዊ ኣስራርሓ ምርዳእ
ምዕ 18- ትካላዊ ኣስራርሓን ጥቅምታቱን
ምዕ 19-ናይ ስፌት በዓል ሞያ መስልን ግዴታን
• ትካላዊ ኣስራርሓ ማለት ሓደ ፉብሪካ ዝተመስረተሉ ዕለማ
ንምስኻዕ ዝኸደሉ ትካላዊ መስርሕ ማለት’ዩ፡፡ እዚ ማለት
ናይ ኣመራርሓ ኩነታት፣ተቐፃፀርቲ፣ናይ ቀረባ ሓለፍትን
ስራሕተኛታት ኩሎም ዝሓቖፈ እንትኾን መራሕቲ ናይ
ኣመራርሓ ስራሕቲ ዝኸድሉ ኣከይዳ፣ተቖፃፀርቲ ስራሕቲ
ከመይ ከምዝቆፃፀረ ዝኾድሉ ሜላ፣ ናይ ፈቓድ ኣወዋሃባ
መንገዲ፣ናይ ስራሕ መለቀቒ ኣከይዳ ከምኡ,ውን ናይ ስራሕ
ልምዲ ኣወሃባን ዝሓዘ’ዩ፡፡
ኣብቲ ትካል ብምስራሕ ዝርከቡ ጥቅምታት
• ናይ ሞያ ዕብየትን ደምዝ ጥቅምን
• ትካላዊ ኣስራርሓ ልምዲ
• ኣብ መራሕን ተመራሕን ዘሎ ርክብ ንቀፃሊ ዝኾን ልምዲ
ምርዳእ
• ናይ ስራሕ ስነ-ምግባር ከምኡ’ውን ምስ ስበት ምስራሕ
ልምዲ ምምዕባል
• ናይ መብረታትዒ ጥቕማጥቕሚ
ምዕራፍ- ዓስርተ ትሸዓተ
ናይ ስፌት በዓል ሞያ መስልን ግዴታን
• መሰል ማለት ናይ ስፌት በዓል ሞያ ተቖፂሩ ኣብ ዝስርሓሉ
ፉብሪካ ውሽጢ ስርሐ ኣከቢሩ ናይ ፉብሪካ ሕግን ደንብን
ብኣግበቡ ብምሕለው ዝርኽቦም ጥቅምታት’ዮም፡፡
ፈቓድ ዝሕተተሉ ግዜ
• ብጣዕሚ ግዜ ዘይህብ ፀገም እንትገጥመና
• ናይ ፉብሪካ ናይ ፈቓድ ከመይ ከም ዝሕተት ኣከይዳ
ብምፍላጥ ይኸውን
• ብዘዕባ ናይ ስራሕ ውዕሊ ምቁራፅ
• ብዝተካኣለ መጠን ናይቲ ትካል ሕግን ደንብን ብምኽበር
ክኾንይግባእ እዞም ዝስዕቡ’ውን የጠቃለል፡፡
• ናይ ስራሕ ልምድን ናይ መጨረሸ ክፍሊት ምቕባል
• ብስለምን ብምርዳደእን
• እንተተኻኢሉ ሓድሽ ዝቁፀር ስራሕተኛ ክለመድ ብምግባር
• ካልኣት ፅቡቓት ሰነ-ምግባራት ስራሕቲ ብምፍፃም ክኾን
አለዎ
THE END
THANKYOU!
Thank you

Book 2

You might also like