You are on page 1of 66

ማሕበራዊ - ስነ - ልቦናዊ ሓገዝ

ንደቂ- ኣንስትዮ
ብ ተክለብራሃን ፍሰሃ
ዓድግራት ዪንቨርስቲ ሳይካትሪ መምህር (1ይን
2ይንደግሪ)
መእተዊ
• ዓርሰ ምፍላጥ
• ሕገን ደንብን እዚ ስልጠና
• ቕድመን ድሕረን ፈተና
ፈተና
pre-test
ሕድሕድ ሓሙሽተ ነጥቢ ይሕዝ
1.ውልቃዊ/ማሕበረሰባዊ ቕልውላዋት/ ዘርዝሩ
2.ማሕበራዊ ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ማለት እንታይ ማለት እዩ?
3.ኣብ እዋን ቅልዉላው ዝረአዩ ኣእምራዉን ኣካላዉን ምልክታት
ፀሓፋ/ግለጻ?
4.አንታይነት ቀዳማይ ረዲአት ስነ-ልቦና ፅሓፋ/ግለጻ?
5.ኣብ ሂዎትና ክህልወና ዝገብኡ መሰረታዊ ክእለታት ፅሓፋ/ግለጻ?
ስልጠና ዝካይደሉ መንገዲ
• ብሕቶን መልስን
• ብገለፃ
• ብጉጅለ ምይይጥ
• ብቐልዲ/መነቓቕሒታት
• ብባህሪ ወኪልካ ምጭዋት/
• ብመጣቐለሊ
ማሕበረዊ - ስነ - ልቦናዊ ሓገዝ

• ማሕበረዊ - ስነ - ልቦናዊ ሓገዝ እንታይ ማለት እዩ?


ዝቐፀለ…

• ማሕበራዊ-ሥነ ልቦናዊ ሓገዝ ----ማሕበራዊ-ስነ


ልቦናዊ ካብ ክልተ ቃላት ዝተወልደ ሓረግ እዩ::
ሀ -ማሕበረዊ
ለ -ሥነ ልቦናዊ
ማሕበራዊ
ማሕብረሰባዊ ምትእስሳር
 ባህሊ
 ልምዲ
 መዓልታዊ ርክብ
 ኣብ ሰባት ዘለና እምነት
 ሰባት ኣባና ዘለዎም እምነት
 ርክብ ማሕበራዊ ሂወት ዝርኣየሎም ምትእስሳራት
ሰነ-ልቦናዊ
 ሰነ-ልቦናዊ
 ሰነ-ልቦና አንትንብል ድማ ናይ ውልቃዊ ሂወትና ባእታታት
ዝሓዘ እትትኸውን መብዛሕቲኡ ግዘ ካብ ሰብ ናብ ስብ
ዝፈላለዩ እዩም፡፡ እዚ ካባቢና ተላሚድና ፀዋር ስብእና ሃኒፅና
ንምንባር ይሕግዘና፡፡
 ኣተሓሳስባ
 ስሚዒት
 ተግባር/ጠባይ /ባህሪ ዝሓዘ እዩ፡፡
ዝቐፀለ…

• ስነ-ልቦናዊን ባህሪያዊን ባእታታት ሂወትና ተመጋገብትን


ዘይነፃፀሉን እንትኾኑ ከከም ኣድላዩነቱ ተዓፃፃፋይ ዓቕምን
ክእለትን ክንውንን ይሕግዙና፡፡
ዝቐፀለ…
• ኣታሓሳስባ/ Cognitive
 ፀገም ናይ ምፍታሕ፣
 ምዝካር፡
 ርዲኢት
 ውሳነ ወዘተ
ዝቐፀለ…
 ፍልጠት፣ ክእለት/ Knowledge/Skills
 ዓቕሚ፣
 ብቕዓት
ዝቐፀለ…
 ኣመላካክታ/ Attitude
 ኣረኣእያ፣
 ግንዛበ፣
 ምልከታ
ስምዒት/ Emotion/motivation

 ድሌት፣
 ተበግሶ፣
 ውፉይነት -
ባህሪ /ጸባይ/ ተግባር

• ሓፋር
• ተሎ ዝተኣታተ
• ተጫወታይ
• ተናዳዲ
• ችኩል
• ትዕግስተኛ ውዘተ
ዝቐፀለ…
• ማሕበራዊ ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ማለት …ግዳያት ስነ-ልቦናዊ
ስብራትን ማህሰይቲ ዝበፅሐን/ሖም ወገናት ብዘላቐነት ናይ
ስብእና ዳግመ ምልሰት ን ተሃድሶን ግልጋሎት ዝወሃበሉ
ሞያዊ እታወት እዩ፡፡
• እዚ ብኣውርኡ ኣብ ኩለመደያዊ ስብእና ተገልገልቲ ትኹረት
ዝገበረ ኮይኑ ንውሕ ዝበለን ስሩዕ ርክብን ዝሓትት እዩ፡፡
ዝቐፀለ…

ጉጅለ ምይይጥ
• ኣብ እዋን ቅልውላው/ቀወሲ ዝረአዩ
ማሕበራዊ፣ኣካላዊ፣ኢኮኖምያዊ፣መንፈሳዊ፣ስነ-ልቦናዊን
ባህሪያዊን ምልክታት እንታይ እዮም??
ዝቐፀለ…
• ኣብ እዋን ቅልውላው ዝረአዩ ማሕበራዊን፣ሰነ-
ልበናዊ፣ኣካላዊ፣ኢኮኖሚያዊ፣መንፈሳዊን ባህሪያዊ
ለውጢታት/ምልክታት
 ምግላል፣
 ምጭክጫክ፣
 ምብኣስ…
 ምንዳድ፣
 ተስፋ መቑራፅ፣
ዝቐፀለ…
 ምሕዛን፣
 ምርሳዕ
 ፈጣሪካ ምጥርጣር፣
 ምምራር፣
 መንፈሳዊ ንቕሓተ ሂሊና ምዕባይ
ዝቐፀለ…
 ድካም፣
 ብኽያት፣
 ምሕባእ፣
 ምፍራሕ፣
 ረሃፅ፣
 ምንቅጥቃጥን
ዝቐፀለ…
 ናይ ሂዎት ምስኣን፣
 ንብረት ምዕናው፣
 መሰረታዊ ግልጋሎታት ምዕናው
 ካብ ወላዲ ፣ሓወ ፣ዓረክቲ፣ ቤተሰብ ምፈልላይ
 ኣካል ምጉዳል ወዘተ…
ሕዉየት ስነ ልቦናዊ ስብራት ዘፋጥኑ ሜላታት
• ማሕብራዊ ስነልብናዊ ሓግዝ -መሓዙት/ቤተስብ
• ካብ ስነልቦናዊ ስብራት ዝተላቀቁ ሰባት ምምክር
• ናይ ሂዎት ትርጉምን ዓላማን ምህላው
• መዓልታዊ ሂዎት ምቅጻል
• ዕንቅፋታት ክሓልፎም አየ ኢልካ ምአማን
• ፍርሓትን ድንጋጸን ክትጋፈጥ ዝሕግዝ ሜላ ምጥቃም/
ዘምይህዳም/ ዘይምርሓቅ
• ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ አንትኾን ናብ በዓል ሙያ ምኻድ
ዝቐፀለ…
• ምጽሓፍ
• ሃይማኖታዊ ሓገዝ
• ዝተፈጠረ ነገር ብጸጋ ምቕባል
ስነ ልቦናዊ ስብራት ዘጋድዱ ዘናውሑ ነገራት
• ምግላል
• ብሕታዊነት
• ተስፋ ምቑራጽ
• ምህዳም ምርሓቕ
• ኣልኮል ምስታይ
• ሺጋራ ምጥቃም
• ኩሉግዘ ምብካይ
• ምምራር
• ምሕራቕ ወዘተ
መርሆታት ስነ ኣእመራዊ ጥዕናን
ማሕበራዊ ስነ ልቦናዊ ሓገዝን
• ሰብኣዊ መሰላትን መዓርነትን
• ኣሳታፋይነት
• ካብ ጉድኣት ነፃ ዝኮነ ግልጋሎት
• ኣብ ነባራዊ ሃፍቲታትን ዓቕምን ምስራሕ
• ስርዓት ዝተዋደደ ግልጋሎት
• መድብላዊ ሓገዝ
ስነ ኣእመራዊ ጥዕና
ማሕበራዊ ስነ ልቦናዊ ሓገዝን ፒራሚድ
ግልጋሎት ስፐሻሊቲ

ዉልቀ/ጉጅለ መሰረት ዝግበር ሓገዝ

ማሕበራዊ ቤተሰባዊ ሓገዝ

ግልጋሎት መሰረታዊ
ድልየታት/ድሕንነትን ወዲ ሰብ
1. ግልጋሎት መሰረታዊ ድልየታት ወዲ ሰብ

• ምግቢ
• ማይ
• መንበሪ
• ክዳን ወዘተ
2.ማሕበራዊ ቤተሰባዊ ሓገዝ

• ዉሕስ ቦታ መዉዓሊ ህፃናት


• ናይ ደቂ ኣነስትዮን ኣባፅሕን ዉሕስ መዉዓሊ ቦታ
• ዝተጣፍኡ ህፃውንቲ ምስ ቤተሰቦም ምርካብ ወዘተ
3.ዉልቀ ሰባትን/ጉጅለን መሰረት ዝግበረ ሓገዝ

• ስነ ልቦና ምኽሪ
• ጉዳይ ምሕደራ ቅጥዒ
• ዉልቀ ሰባት/ጉጅለታት መሰረት ዝገበረ ሓገዝ
4. ግልጋሎት ስፐሻሊቲ

• ስነ ኣእምራዊ ሕክምና
• ስነ ልቦናዊ ሕክምና
ቐዳማይ ረድኤት ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ
ቐዳማይ ረድኤት ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ

ቐዳማይ ረድኤት ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ናይ ሓባር ዘተ


1. ቐዳማይ ረድኤት ሕክምና ዝብል ስሚዕኽን ትፍልጣ ዶ?
2. እንታይ ዓይነታት ረድኤትን ሓገዛትን ዝሓዘ እዩ?
3. ቐዳማይ ረድኤት ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ከ ሰሚዕኽን ዶ ትፍልጣ፣ እንታይ
ማለት ኸ እዩ?
4. እንታይ ዓይነታት ግልጋሎታት ዝሓቖፈ ይመስልክን?
ዝቐፀለ…
ዝቐፀለ…
• ቐዳማይ ረድኤት ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ---ማለት ብዝተፋላለዩ
ምኽንያታት ናይ ስነ-ልቦና ስብራትን ንበሰላ ዝተቓለዐ ሰብ
እንገብሮ ናይ ስነ-ልቦናዊ ስሚዒታዊን ሞራላዊ ን ድጋፍ፣
ሓልዮት፣ ፍቕርን ምንክብኻብን ማለት እዩ፡፡
ንመን ከ ይወሃብ ???
ንመን ከ ይወሃብ ???

ንኣብነት፡
• ንጾታዊ መጥቃዕቲ፣ንዝተደፈረ/ት ጓል-ተንስታይቲ/ወዲ
ተባዕታይ፣
• ደኽታማት፣
• ስደተኛታት፣
• ስነልቦናዊ ስብራት ዝብጸሓ/ሖ፣
ስርዓተ ጾታ መሰረት ዝገበረ መጥቃዕቲ
ዝቐፀለ…
• አኣካላዊ መጥቃዕቲ ዝብጽሖ/ሓ፣
• ምስ ወለዶም ዝተጣፍኡ ህጻናት፣
• ተመዛበልቲ፣
• ኣረጋውያን፣
• ናይ ኲናት ግዳያት ይሓውስ፡፡
ኸመይ ይወሃብ ? ? ?
ኸመይ ይወሃብ? ? ?
• ብስምዒት ምርዳእን ኣፍልጦ ምሃብን
• ንሰባት ስምዒት ቀረባ ብምዃን
• ነቲ ኩነታት ብዝተኽኣለ መጠን ምርዳእ
ዝቐፀለ…
• ናይ ግዳያት ክብርን ስብእናን ዝምጥን ሓገዝ
ምሃብ
• ፍቕሪ፣ ሓልዮትን ድጋፍን ምርኣይ
• ኣነ ተዝኸውን ኢልካ ምሕሳብ
ዝቐፀለ…
• ግዳያት ብዛላቕነት ናብ ዝሕከምሉ፣ ዝድገፍሉ፣ ግልጋሎት
ምኽሪ ዝረኽብሉ ምዕራፍ ምትእስሳር
• ግዳያት ደግም ምልሰት ስብእንኦም ዝረኽብሉ/ባሉ አንፈት
ምንዳይ
እዚ ንምግባር እንታይ ዓይነት ክእልትን ዓቕምን የድልየና?

 ዘይስኮንን ተፃዋራይ ሰብእና ንላበስ፣ ንህነፅ


 ስምዒትና ብኣግባቡ ምቁፅፃር
 ብስምዒት፣ ባህርን ኣረዳድኣን ዓርስና ነዳሉ ይግባአ
ዝቐፀለ…
 ነዚ ክምጥን ይኽእል እዩ እንብሎ ኩለመዳዊ ምድላው
ንውንን
 ናይ ምድማፅ፣ ናይ ምትእትታው ክእለትን ዓቕምን ንህነፅ
 ናይ መገልገላይ ባህሪ ንላበስ
 ናይ ግዳያት ስብእና ኣይነናእስ
ዝቐፀለ…
 ባህልን እምነትን ግዳያት መሰረት ዝገበረ ድጋፍን ሓገዝን
ንሃብ
 ኩሉ ሰብ ማዕረ ምዃኑ አሚንና ነገልግል
 ኣድልዎ ዘይብሉ፣ ዘይሻራዊን ድጋፍ ንሃብ
ዝቐፀለ…
ግዳያት ኣባና እምነት ክህልዎን/ም ንገበር
ዓርሰ እምነትና ነማዕብል
ግልጋሎትን ሓገዛትን ኣበይ ከም ዝርከቡ ነለሊ
ሰነድ ናይ ምስናድን ወድዓውን ውልቓውን
ሓበሬታት ግዳያት ብኣግባቡ ንስንድ
ዝቐፀለ…
ምስጢር ንዓቅብ
ብከይዲ ዓርስና ዓቕምናን ክእለትናን ነማዕብል
ካብ ሰብ ሞያ ድጋፍን ሓገዝን ንሕተት
ዝቐፀለ…
• ንዕድመ፣ ፆታ፣ ብሄር መስረት ዝገበረ ሓገዝን ድጋፍን ንሃብ
• ኩሉም ተግልግልቲ ማዕረ በሰላ ክህልዎም ስለዘይኽእል
ውልቀ ሰብ መሰረት ዝገበረ ሓገዝ ንሃብ
• እቲ እንህቦ ግልጋሎት ብመስረት ድሌት ተገልገልቲና ምዃኑ
ነረጋግፅ
• ካብ ተገልገልቲና ፍሉይ ትኹረት ዘድልዮም ክኾኑ
ስለዝኽእሉ ጥንቓቐ ንግበር
ዝቐፀለ…
• መድመፅቲ ንኹን
• ምጥምማት
• ትኹረት ንሃብ
• ተገልግልትና ምሳና ምዃኖም ብስምዒት ንረዳእ
• ብትሕትና ንዛረብ
ናይ ሓባር ምይይጥ

• ድሕሪ ቐዳማይ ብርኪ ረድኤት ሰነ-ልቦናዊ ሓገዝ ምሃብና


ቐፂልና እንታይ ንገብር ?
• ተገልጋላይና ካባና እንታይ እዩ ዝፅበ ?
• ምስ መን ኢና ኸ ንሰርሕ (coordination with
partners and referral pathway) ?
ምስ መን ኢና ኸ ንሰርሕ (coordination with partners and referral pathway)

• ድሕሪ ቀዳማይ ረድኤት ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ ከከም መጠንን


ከብደትን ማህሰይቲ ተገልገልቲና ናብ ቐፂሉ ዘሎ ብርኪ ሓገዝ
ነተኣሳስሮም፡፡
እዚ ማለት…….

• ናብ መፅንሒ ውሑስ ቦታ (safe house)


• ሆስፒታል
• ግልጋሎት ሓደ ማእከል (one stop center)
• ናይ ሕጊ ድጋፍ
• ናብ ዝለዓለ ኣእሙራውን ስነ-ልቦናውን ሰብ ሞያ
ዝቐጸለ
• ናብ ካልኦት ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት
• ብዘላቅነት ውሕስነትን ድሕንነትን ተገላጋላይና ናብ
ዝስመዖም ቦታ
• ናብ ቤተሰብ (ህፃውንትን ትሕቲ ዕደመ እንተኾይኖም)
• ናብ መሐብሓቢ ማእኸላት
መሳርሕትና…
 ምስ መን ኢና ኸ ንሰርሕ ዝግበአና ብዝተኽኣለ መጠን
ኩሎም ዕድላት ተጠቒምና ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት
ብጥምረት እንተንሰርሕ ይምረፅ፡፡ ብኣውርኡ ግን ምስ፡-
• ሆስፒታላት
• ሰብ ሞያ
• መንግስታዊ መሓውር
ዝቐፀለ…
• ገበርቲ ሰናይ
• ናይ ሕጊ መሓውር
• ሲቪል ማሕበራትን ወዳበታትን
መትከላት ቐዳማይ ረዲኤት ስነ-ልቦናዊ ሓገዝ
• መሰረታዊ መትከላት ቐዳማይ ረዲኤት ስነ-ልቦናዊ ሓገዛት ፡
 ምዕዛብ/ምርኣይ
 ምድማፅ
 ምትሕሓዝ/ምርካብ
ምምልካት/ምዕዛብ

• ዉሑስ ቦታ ምረኣይ/ምፍላይ
• ቑልጡፍ መሰረታዊ ረዲኤት ዘድሊዮም ሰባት ምርኣይ
• ኣብ ስነ-ልቦናዊ ቁሉውላው ዝርከቡ ሰባት ምርኣይ
ምድማፅ

 ሓልዮት ዘለዎ ኣቀራርባ ምቅራብ


 ድልዮቶምን ዘተሓሳስቦም ነገራት ምጥያቕ/ምድማፅ
 ኣዳሚፅና ክረጋጉዑ ምግባር
ምትሕሓዝ/ምርካብ

• መሰረታዊ ሓገዝን ግልጋሎትን ንክረክቡ ምሕጋዝ


• ፀገማቶም ክፍትሑን ክቓቖሙን ምሕጋዝ
• ሓቤሬታ ምሃብ
• ሰባት ምስ ስድረኦምን ቤተሰቦምን ምርካብ
ዝቐፀለ…

• ብቐሊሉ ክጉድኡ ዝክእሉ ኣካላት ማሕበረሰብ እንመን


እዮም፣ከመይሎም ከ ???
ዝቐፀለ…
• ህፃናት
• ኣረግቶት
• ጉድእ ኣካላት
• ጡኑሳት ኣዴታት ወዘተ…
ዝቐፀለ…

• መሰረታዊ ድልየታት ወዲ ሰብ ኣብ እዋን ቁልውላው እንታይ


እንታይ እዮም????
ዝቐፀለ…
 መሰረታዊ ድልየታትን ግልጋሎታትን ከምኒ፤መንበሪ
ገዛ፣ምግቢ፣ማይን ክዳንን ከምኡ ዉን ህክምና ግልጋሎትን
ወዘተ
 ግልፅን ሓቀኛ ሓቤሬታን ብዛዕባ ዘሎ ኩነታትን ግልጋሎትን
 ምስ ቤተሰቦምን ፈተውቶምን ምርካብ
 ብዛዕባ ግልጋሎት ሕክምና ዝርከበሉ ቦታ ምሕባር
 ኣብ ዉሳነታት ምስታፍ
ዝቐፀለ…
• ክበረታትዑ ዝግቦኦም ተግባራት
 ዕረፍቲ ምውሳድ
 ምግቢን ማይን ብሰዓቱ ምምጋብ
 ግዜ ምስ ቤተሰብ ምሕላፍ፣ምውጋዕ
 ዘለኪ/ካ ፀገም ምስ ትኣምንዮ/ኖም ሰብ ምዕላል
 ደስ ዝብሉኪ ነገራት ምስራሕ ከም ምድራፍ፣ናይ እግሪ ጉዕዞ
ምግባር፣ምፅላይ ወዘተ…
 ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር
ዝቐፀለ…
• ክግበሩ ዘይግበኦም ተግባራት
 ኣልኮልን ካልኦት መነቃቓሕቲ ነገራት ምጥቃም
 ሙሉእ መዓልቲ ደቂስካ ምውዓል
 ዕረፍቲ ዘይቡሉ ስራሕ ምስራሕ
 መሰረታዊ ንፅህና ዘይምሕላው
 ዓርስካ ምግላል
 ተብኣሳይ ምካን ወዘተ…
መጣቓለሊ
PFA Recap/Feedback: Stand up if you agree:

• Providing practical care and support (ዲስ/agree)


• Assessing peoples needs and concerns (ዲስ/agree)
• Comforting people and helping them to feel calm (ዲስ/agree)
• It is pressing people to tell you details about what happened that was distressing
or how they feel (dis/agree)
• Helping people connect to information, social supports, or services (ዲስ/agree)
• It is professional counseling (dis/agree)
• It is something only professionals can do (dis/agree)
• Helping people to access basic needs (ዲስ/agree)
• Protecting people from further harm (ዲስ/agree)
የቐንየልና።

You might also like