You are on page 1of 3

መተግበሪ ትልሚ

ኣብ ምክልኻል መዐወኒ ሓሽሽ መድረኽ ዘተ ማሕበረሰብ

ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽንን፣ በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን ቢሮ ጥዕና
ትግራይን

ጥቅምቲ 2016 ዓም

መእተዊ

ኣብ ክልልና ትግራይ ንወዲ ሰብ መበገሲታት ሞትን ሕማምን ዝኾኑ ምኽንያታት እናተፈጠሩ ብምኻዶም ኣብ ተጋሩ
ዝበፅሕ ዘሎ ፀገም ኣዝዩ ኸቢድ እዩ፡፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመታት ኣንፃር ህዘቢ ትግራይ ዝተገበሩ
ወራራትን ኩናትን ከይኣክል ብፍላይ መናእሰይ ኣብ ዘየድሊ መዐወኒ ሓሽሻት ተጎዳእቲ ዝኾኑ መናእሰይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ
እናበዘሑ ይኸዱ ኣለው፡፡ እዙይ ብሓዚኡ መፍትሒ እንተዘይተገይርሉ ኣዝዩ ከቢድ ናብ ዝኾነ ፀገም ንኣቱ ምህላውና
ብውነ ምግንዛብ የድሊ፡፡ ስለዙይ ነዙይ ፀገም ንምክልኻል ዘኽእል መድረኽ ዘተ ማሕበረሰብ መፈፀሚ ዝኸውን መተግበሪ
ትልሚ ከምዚ ዝስዕብ ተዳልዩ ኣሎ፡፡

ዕላማ
ኣብ መናእሰይ ዘሐሸ ኣተሓሳስባ ንክህልው ናይ ሓባር ስራሕ ንምስራሕ ምርድዳእ ምፍጣር፡፡

ኣጀንዳታት እቲ መድረኽ ዘተ

 ኣብ መናእሰይ ዘሎ ኣተሓሳስባ እንታይ ይመስል፣

 መበገሲ ናይዞም ፀገማት እንታይ እንታይ እዮም፣ መፍትሒኦም ኸ

 ካብ ውልቀ ክሳብ ላዕለዋይ ኣካል እንታይ መፍትሒታት ክውሰዱ ኣለዎም፣ ኣብ ዝብሉን ካልኦት ዛዕባታትን
ዘድሃበ ይኸውን፣
ዝርዝር ተሳተፍቲ ኣካላት
 ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን 3 ሰብ

 በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን 4 ሰብ


 ሓለፍቲ ካብኔ ሴክሬተራት ሓደ ሓደ ሰብ ድምር 9 ሰብ
 ካብ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ 1 ሰብ

 ካብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ 2 ሰብ

 ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ 3 ሰብ

 ካብ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ 3 ሰብ

 ካብ ቢሮ ጉዳይ ኣንስትዮ 2 ሰብ

 ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ 2 ሰብ

 ኩሎም ኣማሓደርቲ ዞባታት 7 ሰብ

 ትካላት መራሕቲ ሃይማኖት ተወካሊ ሓደ ሓደ ሰብ

 ካብ ዩንቨርስቲ መቐለ 2 ሰብ

 ቤት ምኽሪ ንግዲ ከተማ መቐለ 2 ሰብ

 ካብ ኮሙሽን ፖሊስ ትግራይ 2 ሰብ

 ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር ኣንስትዮ 1 ሰብ

 ካብ ቤት ፅሕፈት ማሕበር መናአሰይ 1 ሰብ

 ካብ ሊግ ኣንስትዮ 1 ሰብ

 ካብ ቢሮ ማሕበራዊ ጉዳይን እግሪ ምትካልን 1 ሰብ

 ካብ ኮሙሽን ንግድን ሰደድን ትግራይ 2 ሰብ

 ካብ ኤመሓት ሓላፊ ናይቲ ትካል ሓዊሱ 4 ሰብ

 ካብ ድወት ሓላፊ ናይቲ ትካል ሓዊሱ 4 ሰብ

 ካብ ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን ሓላፊ ናይቲ ትካል ሓዊሱ 3 ሰብ


 ካብ ኤፍኤም 104 መቐለ ሓላፊ ናይቲ ትካል ሓዊሱ 2 ሰብ

 ካብ ማሕበራዊ ሚድያ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ሓላፊ ናይቲ ትካል ሓዊሱ ሓደ ሰብ

 ካብቶም ካልኦት ሚድያታት ተወከልቲ ሓደ ሓደ ሰብ


ክፍፍል ስራሕ ዝምልከት

ሰብ ዋና እቲ ምድላው እቲ መድረኽ ዘተ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽንን በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣መድሓኒትን


ትካላት ጥዕናን ቢሮ ጥዕና ትግራይን ኾይኖም፣ እዞም ዝስዕቡ መቐሎ ስራሕ ይህልዎም፣

 ምምራሕ መድረኽ ዘተ ማሕበረሰብ ብናይ ኽልቲኦም ሓለፍቲ ትካል ይፍፀም፣ ተሳተፍቲ ብቤት
ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒዩኬሽን ይፍፀም
 ነቲ መበገሲ ዝኸውን ፅሕፍ በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን ይዳለው

 ነቲ መድረኽ ዘድሊ በጀት በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን ይሽፈን፣ መጠን
ገንዘብ 90 ተሳተፍቲ ብ 300 ብር 5 መዓልቲታት 135000 ብር ከምኡ እውን ኣዳራሽ ክራይን
ትራንስፖርትን 22000 ጠቅላላ ድምር 157000 ድምር
ኣንፈት ኣፈፃፅማ
 ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ዝተውፃእፅኡ 90 ኣካላት ይሳተፉ

 ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ---------------------

 ዝውደኦ ግዜ ሓደ መዓልቲ

 መድረኽ ዘተ ዘካየደሉ ዕለት -------- 2016 ዓ∙ም ይኸውን

You might also like