Professional Documents
Culture Documents
ተቶረ
ተቶረ
ብምትሕብባር ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽንን፣ በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን ቢሮ ጥዕና
ትግራይን
ጥቅምቲ 2016 ዓም
መእተዊ
ኣብ ክልልና ትግራይ ንወዲ ሰብ መበገሲታት ሞትን ሕማምን ዝኾኑ ምኽንያታት እናተፈጠሩ ብምኻዶም ኣብ ተጋሩ
ዝበፅሕ ዘሎ ፀገም ኣዝዩ ኸቢድ እዩ፡፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓመታት ኣንፃር ህዘቢ ትግራይ ዝተገበሩ
ወራራትን ኩናትን ከይኣክል ብፍላይ መናእሰይ ኣብ ዘየድሊ መዐወኒ ሓሽሻት ተጎዳእቲ ዝኾኑ መናእሰይ ካብ ግዜ ናብ ግዜ
እናበዘሑ ይኸዱ ኣለው፡፡ እዙይ ብሓዚኡ መፍትሒ እንተዘይተገይርሉ ኣዝዩ ከቢድ ናብ ዝኾነ ፀገም ንኣቱ ምህላውና
ብውነ ምግንዛብ የድሊ፡፡ ስለዙይ ነዙይ ፀገም ንምክልኻል ዘኽእል መድረኽ ዘተ ማሕበረሰብ መፈፀሚ ዝኸውን መተግበሪ
ትልሚ ከምዚ ዝስዕብ ተዳልዩ ኣሎ፡፡
ዕላማ
ኣብ መናእሰይ ዘሐሸ ኣተሓሳስባ ንክህልው ናይ ሓባር ስራሕ ንምስራሕ ምርድዳእ ምፍጣር፡፡
ኣጀንዳታት እቲ መድረኽ ዘተ
ካብ ውልቀ ክሳብ ላዕለዋይ ኣካል እንታይ መፍትሒታት ክውሰዱ ኣለዎም፣ ኣብ ዝብሉን ካልኦት ዛዕባታትን
ዘድሃበ ይኸውን፣
ዝርዝር ተሳተፍቲ ኣካላት
ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን 3 ሰብ
ካብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ 3 ሰብ
ካብ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይ 3 ሰብ
ካብ ቢሮ ጉዳይ ኣንስትዮ 2 ሰብ
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ 2 ሰብ
ካብ ዩንቨርስቲ መቐለ 2 ሰብ
ካብ ሊግ ኣንስትዮ 1 ሰብ
ምምራሕ መድረኽ ዘተ ማሕበረሰብ ብናይ ኽልቲኦም ሓለፍቲ ትካል ይፍፀም፣ ተሳተፍቲ ብቤት
ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒዩኬሽን ይፍፀም
ነቲ መበገሲ ዝኸውን ፅሕፍ በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን ይዳለው
ነቲ መድረኽ ዘድሊ በጀት በዓል መዚ ቁፅፅር ምግቢ፣መድሓኒትን ትካላት ጥዕናን ይሽፈን፣ መጠን
ገንዘብ 90 ተሳተፍቲ ብ 300 ብር 5 መዓልቲታት 135000 ብር ከምኡ እውን ኣዳራሽ ክራይን
ትራንስፖርትን 22000 ጠቅላላ ድምር 157000 ድምር
ኣንፈት ኣፈፃፅማ
ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ዕዮ ዝተውፃእፅኡ 90 ኣካላት ይሳተፉ
ዝካየደሉ ቦታ ኣብ ---------------------
ዝውደኦ ግዜ ሓደ መዓልቲ