You are on page 1of 3

መድረኽ ዘተ ኣብ ጉዳይ መጋዓዝያን ትራንስፖርትን

ሕዳር 2016 ዓ.ም

1. መእተዊ
ኣብ ትግራይ ብዘጋጠመ ኪናት ካብቶም ኣብ ህዝብና ተደራረብቲ ፀገማት ኾይኖም ዝሓለፉን ዘለውን
ሓደ ጉዳይ ትራንስፖርትን መጎዓዝያን እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ቅድም ክብል ዝነበረ ከይዲ ኣወሃህባ ግልጋሎተን
ሕዚ ተግበራዊ ተገይሩ ዘሎ ኣሰራርሓን ኣወሃህባ ግልጋሎትን ዝምልከት ናይ ሓባር መረዳድኢ መደረኽ
ዘተ ምክያድ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ስለ ዝኾነ ነዙይ ናይ ሓባር መድረኽ ዘተ ማሕበረሰብ ንምድላው ዝሕግዝ
እዙይ መተግበሪ ትልሚ ተዳልዩ ቀሪቡ ኣሎ፡፡
2. ዕላማ
ኣብ ኣወሃህባ ግልጋሎት ትራንስፖረትን መጋዓዝያን ዘሎ ኣሰራርሓ ኣብ ተጠቃማይ ማሕበረሰብ
ግንዘበን ግልፅነትን ምፍጣር፡፡
ዝርዝር ተግባራት
 መተግበሪ ትልሚ ምድላው
 ዝርዝር ተሳተፍቲ ምፍላይ
 መእከቢ ቦታ ምድላው
 ተሳተፍቲ ምዕዳም
 ንመበገሲ እቲ ዘተ ዝኸውን ፅሑፍ ዘቅርቡ ኣካላት ምድላው
3. ተሳተፍቲ ኣካላት
 ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን 5
 ካብ ቢሮን ዞባ መቐለን ትራንፖርትን መጋዓዝያን 5
 ካብ ቤት ፅሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር 2
 ካብ ማሕበር ታክሲ፣ ኣውቶውስ፣ በጃጅ ኣመራርሓ እቲ ማሕበር ሓዊሱ 30 ሰብ
 ካብ ኣባላት ጉድኣት ኪናት ትግራይ 5 ሰብ
 ካብ ፖሊስ ትራፊክ ትግራይ ንስራሕ ብዘይጎድእ እንተዝውከሉ ---- ሰብ
 ካብ 7 ክፍለ ከተማ ነበርቲ ተጠቀምቲ ትራንስፖርትን መጋዓዝያ 5 ሰብ 7 ጠቅላላ 35 ሰብ
4. ዘድሊ በጀት
ነዙይ ናይ ሓደ መዓልቲ መድረኽ ዘተ ንምፍፃም ዘድሊ በጀት ወፃኢ ብቤት ፅሕፈት ጉዳያት
ኮሙዩኒኬሽን ቢሮ ትራንፖርትን መጋዓዝያን ዝሽፈን ይኸውን፣ ዘድሊ ወፃኢታት
 ንክራይ ኣዳራሽ 100*250 ድምር 25000 ብር
 ንምሳሕን መሰተንግዶን 100*250
 ጠቅላላ ድምር 50000 ብር
5. መድረኽ ዝካየደሉ
 ቦታ ኣብ ከተማ መቐለ
 ዕለት ----- 2015 ዓ.ም

You might also like