You are on page 1of 6

ፕሮጀክት ፕሮፖዛል/Project proposal

ሽም በዓል ዋና ፣ዶ/ር ተክለማርያም ግርማይ

ናይቲ ፕሮጀክት ሽም፣ ሃሴት

ፕሮጀክት ዝትከለሉ ቦታ፣ ከተማ መቐለ

መቐለ ትግራይ ኢትዮዽያ

Mekelle ,Tigray, Ethiopia

ፕሮጀክት ፕሮፖዛል

1. ናይ ፕሮጀክት ስም ሃሴት

Page 1 of 6
2. ዓይነት ፕሮጀክት ምርባሕ ደርሁ
3. መበገሲ ካፒታል 100,000 ብር
4. ፕሮጀክት ክምስረት ዝተደለየሉ ቦታ ከተማ መቐለ
ነባራዊ ኩነታት/Back ground
ምርባሕ ደርሁ ክምስረት ኣብ ዝሓሰብኩዎ ከባቢ እዚ እዩ ዝበሃል ኣፅጋቢ መራብሒ ማእከል ደርሁ ሰለዘየለን፣ብሕብረት ዝስረሐሉ ከምኡ እዉን ብዉለቀ
ዘራብሑ ዉለቀ ሰባት ወዘተ ብኣጣቃላሊ ዝስርሑ ሰራሕቲ ናይቲ ሕ/ሰብ ድልየት ስለዘየማልኡን ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት ተጠቀምቲ ምህላዎምን
ብምስትዉዓል ኣብቲ ሰፊሕ ናይቲ ከተማ ሕ/ሰብ ተጠቃማየነቱ ንምርግጋፅ ብምሕሳብ እዚ ስራሕ ንምስራሕ ወሲነ።
ማእከል መራብሒ ደርሁ ክምስርት ኣብ ዝሓሰብኩዎ ከባቢ ብሓደሓደ ዉልቀ ሰባት አናተራበሑ ዝርከቡ ደርሁ ብባህላዉን ድሑር ብዝኮነ ሜላ ኣረባብሓ
እዩ።ስለዝኮነ ካብ ከምዚ ዓይነት ሜላ ምርባሕ ዝርከብ ምህርቲ ኣዝዩ ዉሑድን ብፅርየት እዉን ዝተሓተ እዩ።በዚ መሰረት ብዘበናዉን ብዝተመሓየሸን
ኩነታት ምርባሕ ምክያድ፣ዘላቂን መዋፃኣይን ብምግባር ፅርየት ዘለዎ ምህርቲ ምቅራብ።
ብተወሳኪ
1. ዝተመሓየሸ ዓሌት ዘለዎም ደርሁ
2. ዘበናዊ ማሸናትን መሳርሕታትን ብምጥቃም
3. ፍሉይ ሜላ ሓለዋ ጥዕና ብምጥቃም
4. ዘበናዊ ሜላ ኣተሓሕዛን ኣመጋግባን ብምጥቃም
5. ብዝተደለየ ዓይነትን መጠንን ሃናፃይ ምህርቲ ምቅራብ
6. ንዝተወሰነ ክፋለ ሕ/ሰብ ስራሕ ዕድል ምፍጣር
7. በዚ ብምልዓል ዓቅሚ ብምዕባይ ካብዚ ብዝበለፀ እቲ ስራሕ ብምስፍሕፋሕ ከምዘድሊን ከምዘዋፅእን ብምሕሳብ እዚ ማእከል ምርባሕ ደርሁ ክጅምር ወሲነ
ኣለኩ።

ናይቲ ፕሮጀክት ኣረዳኣይነት ምክንያት


መብዛሕትኡ ናይ ሃገርና ሕ/ሰብ ዝተመጣጠነ ትሕዝቶ ዘለዎ ምግቢ ስለዘይጥቀሙ ከም ምክንያት ዝጥቀሱ ቀንዲ ምክንያታት
I. ዝተዳከመ ከባብያዊ ሃፍቲ
II. ባሀላዊን ደሑርን ናይ ግብርና ስራሕቲ ምክያድ
III. ዝተቆራረፀ ኩነታት ዝናብ
IV. ዝተመሓየሸ ዓሌት ዘለዎም ደርሁ ብቀረባ ዘይምርካብ
ልዕል ኢሎም ዝተዘርዘሩ ዝተመጣጠነ ትሕዝቶ ዘለዎም ምግቢ ንዘይምርካብ ከም ምክንያት ዋላ እንተተጠቀሱ፣ማእከል ምርባሕ ደርሁ
ንምምስራት ምቹዉ ኩነታት ኣለዉ።
Page 2 of 6
ሀ.ኣብ ከባቢና ሰላምን ምርግጋእን ብምህላዉ ስራሐቲ ብዝተቀላጠፈ መንገዲ ንምክያድ ምቹዉ ኩነታት ይፍጠር
ለ.መንግስቲ ኣብ ዓዉዲ ግብርና ጠንካራ ቅዋም ምሓዙ
ሐ.ዝተፈላለዩ ዝራእቲ ብዓይነትን ብመጠንን ብሰፊሑ ብምህላዉ ማእከል ምርባሕ ደርሁ ብምክፋት ብሰፊሑ ንምንቅስቃስ ከምዝምቹ
መተኣማመኒ ይገብሮ።
ናይ ፕሮጀክት ዕላማ/Project Objectives
 ብመጠንን ብዓይነትን ብቅዓት ዘለዎም እንቁላሊሕ፣ናይ ሰጋ ደርሁን ኩኩናያትን/ተባዕትዮ ደርሁ/ወዘተ ብሰፊሑ ናብ ተጠቃሚ ምቅራብ
 ንዝተፈላለዩ ሱፐርማርኬታት፣ሱቅ ቤታትን ሆቴላትን ናይ ደርሁ ምህርቲ ምቅራብ
 ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ደርሁ ንዘራብሑ ዉልቀ ሰባት ፅቡቅ ዓሌት ዘለዎም ደርሁ ምቅራብ።
ዓመታዊ ወፃኢ ትልሚ በጀት/ብብር/

ተ.ቁ ዝርዝር መለክዒ በዝሒ ናይ ሓደ ዋጋ ጠቅላላ ዋጋ


1. ንጨቃዉቲ መግዝኢ ብር 1000 36 36,000
2. መመገቢ፣ማይ መስተይ፣ብሩደርን ምንፃፍን ብር 100 100 1,000
3. ንሪከርድ ክፍሊ ኣቅሑት 1,200
4. ንመኖ መግዝኢ ኩንታል 68 350 23,800
5. ንመድሓኒትን ሃላቂ ኣቅሑትን ብር - - 5,000
6. ንገዛ ክራይ ብር 24,000
ድምር 100,000

ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዘይተፃረየ ትርፊ/ኣታዊ 2010-2014 ዓ/ም

ተ ዝርዝር መለክዒ 2010 2011 2012 2013 2014


.
ቁ በዝሒ ብር በዝሒ ብር በዝሒ ብር በዝሒ ብር በዝሒ ብር
1 ንመሸጣ ዝቀርብ እንቋቁሖ ቁፅሪ 92250 182,500 109500 219,000 127750 319,350 146000 365,000 164250 410,624
2 ንመሸጣ ዝቀርብ ኩኩናይ ቁፅሪ 50 10,000 80 16,000 120 24,000 200 40,000 300 75,000
3 ዝኣረጉ ንመሸጣ ዝቀርቡ ቁፅሪ - - 40 4,800 70 8,400 140 16,800 300 36,000
ደርሁ
4 ድኩዒ ደርሁ ኩንታል 10 650 12 780 20 1,300 24 1,560 30 1,950
ድምር 193,150 240,580 353,050 423,360 523,574

Page 3 of 6
ናይ ሓሙሽተ ዓመት ወፃኢ/2010-2014 ዓ/ም

ተ.ቁ ዝርዝር መለክዒ 2010 2011 2012 2013 2014

በዝሒ ብር በዝሒ ብር በዝሒ ብር በዝሒ ብር በዝሒ ብር


1 ገዛ ክራይ ብር 24,000 24,000 30,000 30,000 36,000
2 ስራሕ መካየዲ ብር 73,000 100,000 130,000 150,000 170,000
3 ዝበላሾ እንቋቁሖ ቁፅሪ 420 840 400 800 400 800 500 1000 500 1,250
4 ዝሞቱ ጨቃዉቲ 60 2,160 80 2,880 60 2,160 60 2,160 80 2,880
5 ዝሞቱ ኣዶ ደርሁ - 20 2,000 20 2,000 30 3,600 40 4,800
ድምር 100,000 129,680 164960 186,760 214,930

ናይ ሓሙሽተ ዓመት ተከታታሊ ኣታዊን ወፃኢን ሚዛን/2010-2014

ታ.ቁ ዓ/ም ኣታዊ/ብር ወፃኢ/ብር ዝተፃረየ ትርፊ


1. 2010 193,150 100,000 93,150
2. 2011 240,580 129,680 110,900
3. 2012 353,050 160,960 188,090
4. 2013 423,360 186,760 236,600
5. 2014 523,574 214,930 308,644
ድምር 1,733,714 796,330 937,384

ናይቲ ማእከል ምርባሕ ደርሁ/ፕሮጀክት/ተጠቀምቲ

Page 4 of 6
ቀጥታ ተጠቀምቲ
ናይቲ ዋናዋና ምህርቲ ንምግቢ ዝከውን እንቛቑሖ፣ናይ ምርባሕ እንቛቑሖ፣ናይ ስጋ ደርሆ፣ንምርባሕ ዝኾኑ ደርሁ ወዘተ እንትኾኑ እዞም ምህርትታት ብቀጥታ
ዝጥቀሙ፦

ሀ.ዝተፈላለዩ ሱፐረ ማርኬታት

ለ.ኬክ ቤታት

ሐ.ናይቲ ከባቢ ነበርቲ

መ.ኣብቲ ማእከል ተቆፂሮም ዘሰርሑ ሰራሕተኛታት እዮም።

ብተዘዋዋሪ ተጠቃሚ ዝኮኑ

 ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ድርጀታት ዉሽጢ ዝጥቀሙ ኩሎም ብተዘዋዋሪ ተጠቀምቲ እዮም

ናይቲ ፕሮጀክት መዋፃኣይነት

ብድምር ናይቲ ፕሮጀክት ወፃኢን ኣታዊን ብዝርዝር ክርአ እንተሎ ኣብ መጀመርታ ዓመት ናይ 93150 ብረ ዝተፃረየ ትረፊ እንትርከብ ኣብ
ዝቅፅሉ ተከታታሊ ዓመታተ ግነ ኣዝዩ ኣትራፊ ከምዝከዉን እዩ ዘርኢ።ስለዝኮነ ኣብ ከም ዓደና ዘበሉ ሃገራት ምርባሕ ደርሁ ብስፈሓት ምዉፋር
ከምዘዋፅእ ስለዝኣመንኩሉ ኣብ ዝቅፅሉ ዓመታት እቲ ሰራሕ ጠነኪረ ክቅፅለሉ እየ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ኢኮኖሚ ዘለዎ ረብሓ

ምርባሕ ደርሁ ኣበዚ ከባቢ ክምስረት እንትሕሰብ እዞም ዝስዕቡ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታዉ እዩ፤
 ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ሆቴላተ፣ሱቃት፣ሱፐር ማረኬታትን ኬክ ቤታትን
 ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ተጠቀምቲ ማሕበረ ሰብ
 መብዛሕትኡ ክፋል ሕብረተሰበና ኣብ መዓልቲ ዝረክቦ ተመጣጣኒ ምግቢ ኣዝዩ ዝነኣሰ ብምኳኑ ብምግንዛብ

Page 5 of 6
 ናይ ሃገርና ክፍለ ኢኮኖሚ በኣብዝሓ ግብርና ማእከል ብምግባር ዝንቀሳቀስ ብምኳኑ በዚ መሰረት ናይ ባዕለይ ኣሰተዋፅኦ ከበርክት
ከምዘለኒ ብምእማን እዩ።
ናይቲ ፕሮጀክት ኣጠቃላሊ ናይ ስራሕ ፕሮግራም

I. ኣብ 2010 ዓ/ም ኣጠቃላሊ መሳርሕታት ዕድጊት ይፍፀም


II. ነዚ ትካል ዘድልዩ ካልኦት እታወታት ኣብዚ ዓመት ይማልኡ
III. ናይ ተግባር ስራሕ ኣብዚ ዓመት ክጅምር ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር
IV. እቲ ሰራሕ ምስተጀመረ ኩነታቱ እናተፀንዐ እናተሰተካከለ ኣብ ዝቅፅሉ ዓመታት በሰፊሑ ንምሰራሕ ናይ ነዊሕ ገዜ ትልመይ ገይረ
ኣቀሚጠዮ ኣለኩ።

Page 6 of 6

You might also like