You are on page 1of 4

ትንሳኤ ኣሸንዳ ኮንሰርት

ዕለት_______________

ናብ : ኩምቢ ኦይል ትሬዲንግ ሓ/ዝ/ው/ማሕበር

ሀ, መእተዊ
ትግራይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታውን ባህላውን ክብረ ብዓላት ዝወነነት ብርክት ዝበሉ ትውፊታት
ዘለውዋ ሃፍታም ክልል እያ። ካብቶምዘለውዋ ክብረ ብዓላት ድማ ብብርኪ ዓለም ዝፍለጥ ኣብ
ዩኔስኮ ዝተመዝገበን ባህሊ ህዝቢ ትግራይ ንዓለም ዘንፀባርቕን ሓደ ዝኾነ ብዓል ኣሸንዳ እዩ።

ብዓል ምኽንያት ብምግባር ድማ ንነበርቲ ከተማ ሽረ እ/ስላሰን ከባቢኣን ንምህዳስን


ንምዝንይናይን ከምኡ እውን ኣከባብራ ብዓል ኣሸንዳ ንዓለም ማሕበረሰብ ንምርኣይን ዝዓለመ
ድሙቕ እንግዶት ሙዚቃ ወይ ኮንሰርት ኣሸንዳ ክካየድ እዩ።

ኣብዚ ኮንሰርት እዚ ዝርከቡ ድምፃውያን ድማ ድምፃዊት ትምኒት ወልዳይ (ሰጋር) ፣ ድምፃዊ


ሰለሙን ባይረ (ወዲ ባይረ) ፣ ድምፃዊ ንጉሰ ኣባዲ( ዘማይ) ፣ ድምፃዊት መኣዛ ዮሃንስ (ዓይኒ
ፋሮ) ፣ ድምፃዊ መዝገበ ኣሳይ (ድቕስም) ፣ ድምፃዊ ሰለሙን ተስፋይ (ኣይሰምዕንየ) ፣ ድምፃዊት
ሄለን ሓዱሽ (ወዘዝ )፣ ድምፃዊ በላይ ብርሃነ (እንዳስላሰ ዓደይ) ፣ ድምፃዊ ኣረጋዊ ጭራ (ኣቲ
ሙድ ኣይትሓዚን) ካልኦት ድምፃውያንን ምስ ኣብነት ባንድ ብምዃን ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ
ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ኮንሰርት ሙዚቃ ብልዑል ድምቀት ክቐርብ እዩ።

ብምዃኑ ድማ ኣብዚ ታሪካዊ ክብረ ብዓል ኣሸንዳ ምስቶም ውሩያት ድምፃውያን ብምዃን
ዝቐርብ እንግዶት ሙዚቃ (ኮንሰርት) ስፓንሰር ብምግባር ትካልኩም ዝህቦ ግልጋሎትን ናይ ንግዲ
ምንቅስቓሱን ክተላልዩ እንትንዕድም ሓቢርኩምና ብምስራሕኹም ብምኽባር እዩ።

ለ, ዝርዝር ትሕዝቶ

 እቲ ፕሮግራም ወይ ድማ ኮንሰርት ዕለት 16/12/2015 ዓ.ም ኣብ ከተማ ሽረ


እንዳስላሰ ሆቴል __________ ካብ ሰዓት 10:00 ድ/ቀትሪ ጀሚሩ ዝካየድ
ይኸውን።
 እቲ ፕሮግራም ብጀምበር ግርማይ ስራሕቲ ምልላይ( ጀምስ ፕሮሞሽን ዝተዳለወ እዩ።
 እቲ ፕሮግራም ወይ ድማ ኮንሰርት ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ድምፂ ወያነ ቲቪ ድሕሪ
ዜና ዝፋለጥ ይኸውን። ስፓንሰራት እውን ከከም ደረጃ ስፓንሰሮም ኣብኡ ዝፋለጡ
ይኾኑ።

 እቲ ኮንሰርት 1000 (ሓደ ሽሕ ) ፓስተር ኣብ ከተማ ኣብ ሕድሕድ ኣንጎሎ


ዝልጠፈሉ ይኸውን። እቶም ስፖንሰራት ድማ ሎግኦም ኣብ እግሪ ትፖስተር
ይቅመጠሎም።

 እቲ ኮንሰርት ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልትታት ኣብ ከተማ ሽረን ከባቢታት


ወረዳን ብመኪና እናዘወርና ነፋልጦ ይኸውን።

 ኣብቲ ኮንሰርት ልዕሊ 1,000 (ሓደ ሽሕ) ዕዱም ጋሻ ክርከብ ትፅቢት ይግበረሉ።

 እቲ ኮንሰርት ድሕሪ ምቕራቡ እቲ ፕሮግራም ሙሉእ ዝግጅቱ ኣብ ዩቲብ ቻናል


ዝፀዓን ይኸውን። ስፓንሰራት እውን ኣብኡ ተኻተትቲ ይኾኑ።

ሐ,ፍልፍል ኣታዊ ዝምልከት

 ካብ ወነንቲ ትካልን ሰብ ሃፍትን ትካሎም ዝህቦ ግልጋሎትን ናይ ንግዲ


ምንቅስቃሱን ንኸላልዩ ስፓንሰር ብምሕታት
 ካብ መእተዊ ትኬት።

መ, ዝርዝር ደረጃ ስፓንሰርን ዝረኽብዎ ግልጋሎትን

ሀ, ፕላቲንየም ደረጃ ስፓንሰር......200,000 (ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ብር

ለ, ፍሉይ ክብሪ ስፓንሰር ......150,000 (ሓደ ሚኢቲን ሓምሳን ሽሕ ብር)

ሐ, ቀዳማይ ደረጃ ስፓንሰር........100,000 (ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ብር)

መ, ካልኣይ ደረጃ ስፓንሰር.......50,000 (ሓምሳ ሽሕ ብር)


ረ, ተሓባባሪ ደረጃ ስፓንሰር.........30,000 (ሰላሳ ሽሕ ብር)

ረ, ዝረኽብዎ ግልጋሎት

ሀ ፕላቲንየም ደረጃ ስፓንሰር


 ፕላቲንየምን ዝለዓለ ብርኪ ስፓንሰርን ምዃኑ ኣብ DW TV ቲቪ ንሰለስተ መዓልቲ
ድሕሪ ዜና ይላለየሉ።
 ኣብዚ ደረጃ ስፓንሰር እንተኾይኖም ንዝኾነ ይኹን ትካል ኣብዚ ተደሪቡ ስፓንሰር
ሽፕ ምሃብ (ምልላይ) ኣይፍቀድን።
 ኣብ እግሪ ፓስተር ሎግኡ ብቅድሚት ይቅመጠሉ።
 3 ሜ ብ 2 ሜ ባነር ይስርሐሉን ኣብ እዋን ኮንሰርት ኣብ ፊት ንፊት መድረኽ
ይቅመጠሉን።
 ኣብ ከተማ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልትታት ኣብ መድረኽ ድማ ንሓደ መዓልቲ
ብልዑል ይላለየሉ።
 ናይ ምስጋና ምስክር ወረቀት ይብርከተሉ።

ለ, ፍሉይ ክብሪ ስፓንሰር :-


 ፍሉይ ናይ ክብሪ ስፓንሰር ምዃኑ ኣብ DW TV ንሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ዜና
ይላለየሉ።
 ኣብዚ ደረጃ ስፓንሰር እንተኾይኖም ንኸም ናቶም ዝበለ ተመሳሳሊ ትካል ምሃብ
(ምልላይ) ኣይፍቀድን። ንኸም ናቶም ዘይበለ ትካል ግን ስፓንሰር ሺፕ ምሃብ ይፍቀድ
እዩ።
 ኣብ እግሪ ፓስተር ሎግኡ ድሕሪ ፕላቲንየም ይቅመጠሉን ሳይዙ እውን ካብ ፕላቲንየም
ድቅቅ ይብልን።
 1.5 ሜ ብ 1.5 ሜ ባነር ይስርሐሉን ኣብ ጎኒ ፕላቲንየም ይዝርግሐሉን።
 ኣብ ከተማ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልቲታትኣብ መድረኽ ድማ ንሓደ መዓልቲ ካብ
ፕላቲንየም ብርኪ ስፓንሰር 30% ብዝቀነሰ መልክዑ ይላለየሉ።
 ፍሉይ ክብሪ ስፓንሰር ምዃኑ ዝገልፅ ካብ ናይቲ ናይ ምስጋና ምስክር ወረቀት
ይብርከተሉ።

ሐ, ቀዳማይ ደረጃ ስፓንሰር:-


 ቀዳማይ ደረጃ ስፓንሰር ምዃኑ ኣብ DW TV ንሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ዜና
ይላለየሉ።
 ኣብዚ ደረጃ ስፓንሰር እንተኾይኖም ንኸም ናቶም ዝበለ ተመሳሳሊ ትካል ምሃብ
(ምልላይ) ይፍቀድ እዩ።
 1 ሜ ብ 1.5 ሜ ባነር ይስርሐሉ ብጎኒ መድረኽ ይዝርግሐሉን።
 ኣብ እግሪ ፓስተር ሎግኡ ድሕሪ ፍሉይ ክብሪ ስፓንሰር ይቅመጠሉን ሎግኡ ድቅቅ
ይብልን።
 ኣብ ከተማ ብመኪና ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልትታት ኣብ መድረኽ ድማ ንሓደ
መዓልቲ ካብ ፍሉይ ክብሪ ስፓንሰር 40% ብዝቀነሰ መልክዑ ይላለየሉ።
 ቀዳማይ ደረጃ ስፓንሰር ምዃኑ ዝገልፅ ናይ ምስጋና ምስክር ወረቀት ይብርከተሉ።

መ, ካልኣይ ደረጃ ስፓንሰር:-


 ካልኣይ ደረጃ ስፓንሰር ምዃኑ ኣብ DW TV ንሰለስተ መዓልቲታት ድሕሪ ዜና
ይላለየሉ።
 ኣብዚ ደረጃ ስፓንሰር እንተኾይኖም ንኸም ናቶም ዝበለ ተመሳሳሊ ትካል ምሃብ
(ምልላይ) ይፍቀድ እዩ።
 1 ሜ ብ 1 ሜ ባነር ይስርሐሉን ኣብ ጎኒ መድረኽ ይዝርግሐሉን
 ኣብ ዝስራሕ ፓስተር ሎግኡ ድሕሪ ቀዳማይ ደረጃ ስፓንሰር ይቅመጠሉን ሳይዙ
ይቅንስን።
 ኣብ ከተማ ብመኪና ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልትታት ኣብ መድረኽ ድማ ንሓደ
መዓልቲ ካብ ቀዳማይ ብርኪ ስፓንሰር 30% ብዝቀነሰ መልክዑ ይላለየሉ።
 ካልኣይ ደረጃ ስፓንሰር ምዃኑ ዝገልፅ ናይ ምስጋና ምስክር ወረቀት ይብርከተሉ።

ረ, ተሓባባሪ ደረጃ ስፓንሰር:-


 ተሓባባሪ ደረጃ ስፓንሰር ምዃኑ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ DW TV ሎግኡ ጥራሕ
ይላለዩ።
 ኣብዚ ደረጃ ስፓንሰር እንተኾይኖም ንኸም ናቶም ዝበለ ተመሳሳሊ ትካል ምሃብ
(ምልላይ) ይፍቀድ እዩ።
 ኣብ ዝስራሕ ፓስተር ሎግኡ ኣብ ድሕሪት (መወዳእታ) ይቅመጠሉ።
 ኣብ ከተማ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ መድረኽ ድማ ንሓደ መዓልቲ ካብ ካልኣይ
ደረጃ ስፓንሰር 50% ብዝቀነሰ ይላለየሉ።
 ተሓባባሪ ደረጃ ስፓንሰር ምዃኑ ዝገልፅ ናይ ምስጋና ምስክር ወረቀት ይብርከተሉ።

You might also like