You are on page 1of 20

8th to 9th Grade Transition and Beyond Family Toolkit TIGRIGNA

ካብ 8ይ ናይ 9ይ ክፍሊ ስግግርን
ካብኡ ንላዕልን ናይ ቤተሰብ መምርሒ
April 5, 2019

ኣብ 9ይ ክፍሊ ምዕዋት ንናይ ምረቓ መመላኸቲ እዩ!


እዚ መምርሒ ውላድኩም ዝተሳኸዐሉ(ላ) ናይ 9ይ ክፍሊ ዓመት ንኽኾነሉ(ላ)ንምሕጋዝን ውላድኩም ንምምራቕ ኣብ
ትኽክለ መንገዲ ከምዘሎ(ላ)ንምኽትታል ዝሕግዝ መሳርሒ እዩ።.
ኣብዚ ውሽጢ እዞም ዝስዕቡ ክትመሃሩ ኢኹም: ገፅ
❖ ቤት ትምህርትኹም ብዛዕባ ዘቕርቦም ዓይነታት ሓገዛት 2
❖ ኣብ ናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ዝካየዱ ጠቐምቲ ምድላዋት 3
❖ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ ምድላዋት ንምስታፍን ምስ ሰራሕተኛታት
ንምርድዳእን ንኽትኽእሉ ኣስተርጓሚ ብኸመይ ከምዝሕተት 4
❖ ናይ ቋንቋ እንግሊዝኛ ተምሃሮን ናይ ዓለም ቋንቋ ክረዲትን 4
❖ ናይ ካልኣይ ብርኪ ኣደለይቲ ነገራት ዝርዝር 5
❖ ብዛዕባ ናይ 9 ይ ክፍሊ ዓመት ጠቐምቲ ሓበሬታታት 6
❖ ሶርስ: ናይ ውላድኩም ውፅኢት ትርእይሉን ኣቴንዳንስ ተከታተልሉን መሳርሒ እዩ 8
❖ ወለዲ/መዕበይቲ ገዛ ዕዮታት ኣብ ምውዳእ ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ 10
❖ ወለዲ /መዕበይቲ ምስ ተምሃሮኦም ዝሳተፍሉ ዝተወሰኑ ኣገባባት 12
Photo by Suzie Fitzhugh ❖ ንናይ ቤት ትምህርቲ ኣማኸርቲ ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት 13
❖ Naviance: ናይ መስመር ናይ ኮሌጅን ስራሕን ትልሚ መሳርሒ 14
❖ ናይ ፍሉይ ድልየት ትምህርቲ ግልጋሎት ዝረኽቡ ናይ 9ይ ክፍሊ ተምሃሮ ምሕጋዝ 15
❖ ናይ ኣካል ጉድኣት ዘለዎም ተምሃሮ ን ድሕረ ካልኣይ ትምህርቲ ምድላው 15
❖ ዝለዓለ ብቕዓት ናይ ዘለዎም መሰጋገርቲ ካልኣይ ብርክታት 16
❖ ንምረቓ ኣድለይቲ ዝኾኑ ናይ ክልል ፈተናታት 18
❖ ናይ ቃላት መግለፂታት 19

ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ሕድሕድ ተምሃራይ ጉዕዞ ናይ ምርኣይ ግዴታ ኣለዎ።ዘርኢ፣ፆታ፣ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን
ኩነታት፣ብቕዓት ቋንቋ፣ሜላ አመሃህራ ወይ ናይ ኣካል ጉድኣት እንተይፈለየ ንኹሎም ቆልዑ ዝኾነ ዘድልዮም ነገራት ምምላእ ናይና
ሓላፍነት እዩ ኢልና ንኣምን።ቤተስብ ኣብዚ ስራሕ ወስንቲ መሻርኽትና እዮም።

Engaging Families in High School Success (EFIHS) ብናይ ዩኤስ ናይ ትምህርቲ


ዲፓርትመንት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ዝግበረሉ፣ናይ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርትን Jons
Hopkins ዩኒቨርሲቲን ናይ ሓባር ትሕብብር እዩ::
. 1
About the Kinds of Supports Your School Provides TIGRIGNA

ቤት ትምህርትኹም ብዛዕባ ዘቕርቦም ዓይነታት ሓገዛት ምድላይ

ኣብ ናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ ንመን ከምትረኽቡ

ውላድኩም ዝተሳኸዐሉ(ላ)ንኽኸውን ብጣዕሚ ጠቐምቲ ናይ ዝኾኑ ነገራት ዝርዝር ንናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ ይጠይቑ። እዚኣቶም
ወለዲንመዕበይትን ሕቶታት ወይ ስግኣታት እንትህልዎም ከዘራርብዎም ዝኽእሉ ፀጋታት እዮም።

❖ ኣማኸርቲ

❖ ናይ ትምህርቲ ሓገዝቲ መዓል ሞያታት

❖ ምክትል ርእሰ መምህር

❖ መምህራን

❖ ድሕሪ ትምህርቲ ቲቶርያል

❖ ናይ መንእሰያት ናይ ጥዕና ማእኸል

❖ ሓገዝቲ

2
Find out about important events at your child’s school TIGRIGNA

ኣብ ናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ ዝካየዱ ጠቐምቲ ምድላዋት ምድላይ


ምስዮት ስርዓተ ትምህርቲ: ናይ ስርዓተ ትምህርቲ ምስዮት በብዓመቱ ኣብ መስከረምን ጥቅምትን ይካየድ።
ናብ ናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ ናይ ስርዓተ ትምህርቲ ምስዮት ንምኻድ ርግፀኛ ኹኑ!
ኣብ ናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ ናይ ስርዓተ ትምህርቲ ምስዮት ትሳትፍሉ ምኽያታት:
• ኣብመብዛሕትአን ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ውላድኩም ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ንምክትታልን ኣብ ናይ መምሃሪ ከባቢ
ቀጥታዊ ዝኾነ ልምዲ ንምርካብን ይከኣል።
• ኣፍቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ውላድኩም መምህራንን ካልኦት ጠቐምቲ ሰባትን ይላለዩ::
o ምስ ሕድሕድ መምህር ትራኸቡሉ እቲ ዝሐሸ ሜላ መራኸቢ ትመሃሩ፣ምሳኹም ንምርኻብ እቲ ዝሐሸ
መንገዲ ንዐዖም እውን ምንጋር ትኽእሉ ኢኹም።
▪ ከም ኢሜይል፣ስልኪ ወዘተ…
▪ ምስ ሕድሕድ መምህር ንምርኻብ እቲ ዝሐቨ ሰዓት ኣየናይ እዩ
o ኣብ ሕድሕድ ናይ ውላድኩም ክፍልታት፣ብዛዕባ ስርዓት ትምህርትን ኣብ ክፍሊ ውሽጢ ዝህልዉ
ትፅቢታትን ምምሃር::
o ኣፍቲ ዓመት ንውላድኩም ትምህርቲ ዝጠቅም ወሳኒ ዝኾነ ሓበሬታ ንዕዖም የፍልጡ::
• ምስካልኦት ወለዲ /መዕበይቲ ምትእስሳር።ምስ ናይ ደቅኹም መሓዙት ወለዲ ንምርኻብን ኣብ ናይ ሕቶን መልስን
ጉጅለ ንምስታፍ ትኽእሉ።ሓደሓደ ግዜ ወለዲ ካብ ካልኦት ብዝለዓሉ ሕቶታ ዝበለፀ ይመሃሩ እዮ።
• ልዕሊ ኹሉ፣ኣብዚ ምድላው ምስታፍ ናታቶም ልምድን እንታይ እናተምሃሩ ከምዝኾነን ንምፍላጥ ድልየት
ከምዘለኩም የርኢ።

ናይቲ ስርዓተ ትምህርቲ ምድላውን ኩሉ ሓበሬታትን ብደንቢ ንኽርድአኩም፣ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ኣስተርጓሚ ክትጥይቑ ትኽእሉ
ኢኹም።
ናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ ንስኹም ኣብ ቤት ትምህርቲ ውሽጢ ዘለዉ ፀጋታት ንክትጥፈልጡን ናይ ካልኣይ ብርኪ ተምሃሮ
ብኸመይ ምሕጋዝ ከምትኽእሉን ንኽትፈልጡ ዝሕግዙ ካልኦት ኣድለይቲ ምድላዋት ክህልዎ እዩ።

3
Requesting an Interpreter and English Language Learners TIGRIGNA

ኣስተርጓሚ ምጥያቕ:
For updated information go to: https://www.seattleschools.org/departments/english_language_learners

ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ኩሎም ቤተሰብ ኣብ ናይ ውላዶም ትምህርቲን ናይ ቤት ትምህርቲ ምድላዋትን
ንኽሳተፉ የበረታትዕ።እዚ ስራሕ ብዘይ ናታኩም ሓገዝ ክንሰርሖ ኣይንኽልን!!
ቋንቋ እንግሊዝኛ ተምሃሮን ዓለም ለኸ ፕሮግራማትን ዲፓርትመንት ኣብ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ውሽጢ ዝርከቡ ቤተሰብ
ብሙሉኦም ዝለዓለ በዝሒ ተዛረብቲ ብዘለውዎም ትሽዓተ ቋንቋታት ናይ ትርጉም ግልጋሎታት የቕርብ። አማርኛ፣ አረብኛ፣ ቻይንኛ፣
ኦሮሞኛ፣ ስፓኒሽኛ፣ ሶማሊኛ፣ ታጋሎግኛ፣ ትግሪኛ እና ቬትናምኛ ::

ካልኦት ቋንቋታት ን ናይ ክልተ ቋንቋ ተዛረብቲ ቤተሰብ መተሓባባሪ ብምጥያቕ ምርካብ ይክኣል።
በይዘኦም ናብ: 206-252-0072 ይደውሉ ወይ ናብ: languages@seattleschools.org ኢሜይል ይግበሩ::

ናይ ASL ትርጉም ምስ ናይ 504 መተሓባባሪ ይርከብ።


በይዘኦም ናብ: 504coordinator@seattleschools.org ኢሜይል ይግበሩ::

ኣስቶርጓሚ እንተደልዮም ንናይ ውላዶም መምህር፣ኣማኻሪ፣ርእሰ መምህር፣ወይ ኬዝ ማናጀር(ኣይኢፒ ንዘለዎም ተምሃሮ) የፍልጡ።

ቋንቋ እንግሊዝኛ ተምሃራ ሮን (ELL) ናይ ዓለም ቋንቋ ክረዲትን


For updated information go to: https://www.seattleschools.org/departments/english_language_learners

ስድራ ውላዶም ናይገዘኦም ቋንቋ ንኽዕብዩን ንኽሕልዉን ዓብዪ ድጋፍ ይገብሩ። ካብ ሓደ ቋንቋ ብላዕሊ ፍልጠት ምህላው ካፍቶም
ብዙሓት ጥቕምታት ማእኸል ሓደ ናይ ውላድኩም ናይ ፈጠራ ኣተሓሳስባን ናይ ሽግር ኣፈታትሕ ክእለታትን ከዕቢ ይኽእል።

ኣብ ፅድያ 2011 ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ብቕዓት ንምግምጋምን ተምሃሮ ብናይ ኣፍ መኽፈቲ ቋንቋኦም ብቕዓት
ትኹረት ዝገበረ ክረዲት ንምሃብን ፖሊሲን ኣካይዳን ኣፅዲቑ እዩ።ውላድኩም ካብ እንግሊዝኛ ወፃኢ ካሊእ ቋንቋ ምዝራብ፣ምንባብን
ምፅሓፍን ዝኽእል(ትኽእል)እንተኾይኑ(እንተኾይና)፣ኣብዚ ፕሮግራም ክሳተፍ(ክትሳተፍ)ይኽእል እዩ(ትኽእል እያ)። ተምሃሮ ካብ 1-4 ናይ
ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ዓለም ቋንቋ ክረዲት ክረኽቡ ይኽእሉ።እዞም ክረዲታት ንናይ ካልኣይ ብርኪ መመረቒ መማልእቲ ወይ
ንናይ 4 ዓመት ናይ ዓለም(ናይ ወፃኢ ዓዲ)ቋንቋታት ኮሌጅ ናይ መእተዊ መስፈርቲ ክሕግዙ ይኽእሉ።

ናይ ዓለም ቋንቋ ክረዲት ፈተና(እስካብ4 ክረዲታት ዘርክብ)፣ናብ ዝለዓለ ምደባ(AP) ወይ ዓለም ለኸ ባካሎሬት(IB)ናይ ቋንቋ ፈተናታት
ብምሕላፍ ናይ ቋንቋ ክእለቶም ዘርአዩ ተመረቕቲ the State Seal of Biliteracy ይረኽቡ። እቲ Seal ኣብዚ ናይ ሕዚ ዓለም እንግሊዝኛ
ቋንቋ ምዝራብ፣ምንባብን፣ምፅሓፍን እንተነኣሰ ካሊእ ሓደ ቋንቋ ምጥቃም ርብሕኡ ንምርኣይ እዩ።

ናይ ዓለም ቋንቋ ክሬዲት መማረፂ ናይ ካሊእ ቋንቋ ፍልጠት ዘለዎም ተምሃሮ ኣፍልጦ ይህብ። ብናይ ኣፍ መኽፈቲኡ ቋንቋ ክረዲት ዝረኸበ
ተምሃርይ ከምዙይ ኢሉ ነይሩ፣”ኣብ ናይ ዓለም ቋንቋ ክረዲት ምርካብ ቋንቋይን ህዝበይን የኽብረለይ እዩ።”ኣዎንታዊ መንነት ይሃንፅ እዩ።

ብዛዕባ ናይ ዓለም ቋንቋ ክሬዲት ፕሮግራም ተወሳኺ ንምፍላጥ ናይ ውላድኩም ኣማኻሪ የዘራርቡ።

4
ን ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምረቓ ዘድለይቲ ነገራት ዝርዝር High School Graduation Requirements Checklist TIGRIGNA
ካብ 2021 ካብኡ ንላዕልን ናይትምህርቲ ዓመት ዝመሃሩ ተምሃሮ ንኽምረቑ 24 ክረዲታት ክረኽቡ ኣለዎም። ኣብ ሕድሕድ ሰሚስተር 6 ኮርስታት ዝወሰደ ተምሃራይ ኣብ
ሰሚስተር 3 ክረዲታት ይረክብ፣ጠቕላላ 6 ክረዲታት ኣብ ዓመት ።ስለዚህ ኣብ ሕድሕድ ዓመት ሙሉእ 6 ክፍሊታት ዝወሰደ ተምሃርይ ብ 24 ክረዲት ይምረቕ።( በይዘኦም
ናይ ቃላት መግሊፂታት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰነድ ይርኣዩ)።
ኮርስታት ክረዲታት ዝተወደአ ናይ 4 ዓመት ኮሌጅ ተወስኽቲ ናይ ካልኣይ ብርኪ ዝተወደአ
መስፈርትታት
Fine Arts .50 Fine Arts-2 ን 4ዓመት ኮሌጅ ዝነኣሰ
Fine Arts .50 credits. 1 can ናይ መእተዊ መለክዒ ናይ ካልኣይ ብርኪን ካብኡ ንላዕልን
be personal ኣብዚ ዝስዕብ ትልሚ
Fine Arts .50 pathway. ይመልከቱ: ናይ ግልጋሎት ትምህርቲ 60 ሰዓታት
Fine Arts .50 Ready Set Grad ዝተፈፀሙ ሰዓታት_______
Language Arts 9A .50 Language (Washington State ተምሃሮ ብክልል ዝተወሰኑ ፈተናታት
Language Arts 9B .50 Arts - 4 Achievement ወይ ከም መማረፂ ዝፀደቑ ናይ
credits. Council) እንግሊዝኛን ሒሳብን ፈተና ክወስዱ
Language Arts 10A .50 ካብ 20219-20 ጀሚሩ ናይ ሳይንስ
Language Arts 10B .50 ሓደ ሓደ ኮሌጃት
ተወሰኽቲ መስፈርትታት ፈተና ምሕላፍ እውን ሓደ መለክዒ እ
Language Arts 11A .50 ኣለዎም።
Language Arts 11B .50
Language Arts 12A .50
Language Arts 12B .50
Algebra1A or Integr Math .50 Mathematics 3 ናይ ሒሳብ ክረዲትን ተምሃሮ Algebra I ወይ Integrated Math 1 ፣ ን
Algebra 1B or Integr Math .50 -3 credits ናይ ሲንየር ዓመት Geometry ወይ Integrated Math 2 ፣ Algebra
Geom. 1Aor Integr Math2
ኳንቲቴቲቭ ሒሳብን 2 ወይ ብ OSPI ዝፀደቑ ተመጣጠንቲ ዝኾነ ብናይ
.50
Geom. 1Bor Integr Math2 .50 ስራሕን ቴክኒክን ትምህርቲ ኮርስታት ክረዲት ክረኽቡ
ኣለዎም።
Algeb 2Aor CTE opt *** .50
Algeb 2Bor CTE opt *** .50
Science with a lab .50 Science – 3 * ተምሃሮ Phys A/Chem A ን Biology A and B
Science with a lab .50 credits. ከጠናቕቑ ኣለዎም። ካብ ሰለስቲኦም ናይ ሳይንስ
Science with a lab .50 ክረዲታት እንተንእስ ክልተ ኣብ ሳይንስ ላባራቶሪ
ክኸውን ኣለዎ ፣ እቲ ሳልሳይ ክረዲት ብናይ ተምሃሮ
Science with a lab .50
ድልየት ን ናይ CTE ሳይንስ ተመጣጣኒ ኮርሰ ዘካተተ
Science or CTE option* .50 ክምረፅ ይኽእል እዩ።
Science or CTE option* .50
Physical Education (PE) .50 Health and ናይ PE ብቕዓት ፈተና ኣብ ክፍሊ
Physical Education .50 PE – 2 ውሽጢ ይካየድ:: እቲ ተምሃራይ ዋላ
Physical Education .50 credits PE እንተገደፎ፣ሕዚ እውን እቲ ፈተና
Health .50 ካሓልፍ ኣለዎ።
Career & Tech Ed (CTE) .50 CTE – 1 ንዝተፈቐዱ ኮርስታት ኦፊሴላዊ ናይ ዲስትሪክት ናይ
Career & Tech Ed (CTE) .50 credit ኮርስ ዝርዝር ይመልከቱ።
WA State History **** .50 (SPS) Social ****WA State History
World History 1 .50 Studies – 3 መብዛሕቱ ግዜ ኣብ ማእኸላይ ብርኪ
World History 2 .50 credits. ቤት ትምህርቲ ይወሃብ:: ተምሃሮ ኣብ
ወይ ክፍሊ ብ OSPI (ዋሽንግተን
World History 3 .50
ስቴት) ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ሲቪክስ
US History 11A .50
ፍተና ከጠናቕቑ ኣለዎም።
US History 11B .50
American Govt .50
WL or Personal Path** .50 WL or 2-3 years of one **Personal Pathway may ናይ ዓለም
WL or Personal Path** .50 Personal world language ቋንቋ(WL)፣ሞያን ቴክኒክን ትምህርቲ(CTE)፣ስነ ጥበብ፣
WL or Personal Path** .50 Pathways-2 ወዘተ -ምስ ናይ ስራሕ ትልሚ ዝተተሓሓዙ ኮርስታት
WL or Personal Path** .50 credits ከጠቓልል ይኽእል እዩ።
Electives as needed .50
(4 credits) ea
ሓደሓደ ናይ 4 ዓመት ኮሌጃት እንተነኣሰ
ጠቅላላ መለክዕታት 24 ክረዲታት 2(c-ማእኸላይ) Grade Point Average (GPA ) ይጥይቑ እዮም።
ዝኾነ ተምሃርይ ኮርስታት ምሕላፍን ካብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህቲ ምምራቕን ይኽእል እዩ።ዝተወስኑ ኣብ 9 ይ ክፍሊ ከመይ ገይርካ ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተምሃርይ ከምዝኽ
ወን ይመሃሩ። ብ ናይ ወለዶምን ናይ ቤት ትምህቲ ሰራሕተኛን ድጋፍን ናይ 9 ይ ክፍሊ ተምሃሮ ናይ ምምሃር ክእለቶም ምምሕያሽን ናይ ምምራቕ ዕድሎም ምዕባይን እከኣል
እዩ።https://www.seattleschools.org/cms/One.aspx?portalId=627&pageId=18711

5
9th Grade is the most important year in high school TIGRIGNA

9ይ ክፍሊ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ብጣዕሚ ወሳኒ ዓመት እዩ።


እውነታ ልዕሊ ኹሉ ቅድምያ ዝወሃቦ ጉዳይ ናይ ውላድኩም ናይ ስራሕ ትልሚ ንምስኻዕ ዘድልዩ ክእለትን ፍልጠትን
ኣብ ቀረባ ኣብ ሲያትል ናይ ህዝቢ ካብ ካልኣይ ብርኪ ሒዙ(ሒዛ) ምምራቕ እዩ። ናይ ኮሌጅ ምድላው ካብ ማእኸላይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ
ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርት ወይ ቅድሚኡ ክጅምር ኣለዎ። ሓደ ተምሃራይ ካብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምምራቕ እዞም ዝስዕቡ
ኣብ ዝተገበረ ፅንዓት ካብ 70% ኣርባዕተ ነገራት ትኹረት ብምግባር ምክትታል:
ንላዕሊ ዝኾኑ ተምሃሮ ንኮሌጅን
ስራሕን ትልሚ ኣብ ምውፃእ ምኽሪ 1. ኣቴንዳንስ ብዝምልከት
ዝረኽቡ ካብ ካሊእ ሰብ ኣብ
ወለዶም ከምዝተኣማመኑ የርእይ። ተምሃሮ ኣብ ክፍሊ ውሽጢ እንድሕር ዘየለዉ እናተምሃሩ ኣይኮኑን። ፅንዓታት ከምዘማላኽትዎ ኣብ
ሰሚስተር ካብ 5 መዓልትታት ንላዕሊ ካብ ትምህርቲ ዝቐርዩ ተምሃሮ እቲ ክፍሊ ናይ ምሕላፍን ክረዲት ናይ
ምርካብ ዕድሎምን ዝነኣሰ ከምዝኾነ እዩ። እዞም ተምሃሮ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ቤት ትምህርቲ ናይ ምውፃእ
ዕድሎም ዝለዓለ እዩ።

ወለዲ ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ


ተሳትፎ ወለዲ ወሳኒ እዩ።
ውላድኩም ካልኣይ ብርኪ ➢ በብመዓልቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምርካብ ዘለዎ ረብሓ ምስ ውላድኩም ምዝርራብ::
እንትበፅሑ፣ናትኩም ሕገዝ ➢ ተምሃሮኹም ናብ ቤት ትምህርቲ ብግዜኦም ንኽኸዱ ምሕጋዝ::
ከምዘይደልዩም ኾይኖም ክቐርቡ
እዮም።ኣይትእመኑ።ተምሃራይኹም ➢ ናይ ውላድኩም ናይ መደቀሲ ሰዓትን ገዛ ዕዮ መስርሒ ፕሮግራም ምድላው ።
ከምቲቕድሚ ሕዚ ትሕግዝዎም ➢ ንተምሃራይኹም ናይ ግዜ ገደብ ምግባር::
ዝነበርኩም ሕዚ እውን ተድልይዎም
ኢኹም!
እዞም ዝስዕቡ ምግባርኩም ርግፀኛ
ኹኑ:
2. ዝሕሰቡ ክረዲታት
✓ ንምረቓ ናይ ውላድኩም 9ይ ክፍሊ ተምሃሮ ንምምራቕ(24 ክረዲታት የድሊ) ኣብ ትኽክለኛ መንገዲ ንምህላው እንተነኣሰ ሽዱሽተ(6)
ክረዲት ክረኽቡ ኣለዎም። እዙይ ዝገብሩ ተምሃሮ ብግዚኦም ናይ ምምራቕ ዕድሎም ዝለዓለ እዩ።
ምዕባለታት ንምክትታል ናይ
ውላድኩም ናይ ምዕባለ ሪፖርትን
ወለዲ ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ
(በቢሓሙሽተ ሰሙን)ን ሪፖርት
ካርድን(በቢትሽዓተ ➢ ውላድኩም ንምምራቕ ዘድልይዎ ኮርስታት ምውሳዱ የረጋግፁ::
➢ ተምሃራይኩም ኩሎም ናይ 9ይ ክፍሊ ኮርስታት ምሕላፎም የረጋግፁ::
ሰሙን)ክትረኽቡ ኣለኩም።
➢ ተምሃሮኹም ሓገዝ ኣብዝደልዩሉ እዋን ንመምህራኖም ንኽጥይቑ የበርታትዕዎም።
✓ ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ መጀመሪ
ኣኼባ፣ኣኼባታትን ኮንፍረንሰን ➢ ናይ ሕድሕድ ናይ ውላድኩም መምህራን ናይ ነጥቢ ኣወሃህባ ፖሊሲኦም ምፍላጥኩም ርግፀኛ
ይረኸቡ:: ይኹኑ።
✓ ምስውላድኩም ብዛዕባ ገዛ ዕዮ ➢ ናይ ሶርስ ኣካውንት ይኽፈቱ፣ ወለዲ፣ናይ ውላዶም ኣቴንዳንስን ውፅኢትን ክከታተሉሉ ዝኽእሉ
ናይ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ኢንተርኔት መሳርሒ እዩ።
ንምዝርራብ ግዜ ምምዳብ::
➢ ናይ ተምሃራዮም መምህራንን ኣማኸርትን ይፋለጡ ። ፀገም እንተሊኡ ንኸፍልጥኹም ወይ
✓ ውላድኩም ሓገዝ እንተድልዮ(ያ)
ምስኦም ኮይንኩም እቲ ፀገም ንምፍታሕ ከትሰርሑ ከምትኽእሉ የፍልጥዎም።
ኣብ ቤት ትምህርቲ ናብ መን
ከምትድውሉ ምፍላጥ::

6
9th Grade is the most important year in high school, page 2 TIGRIGNA

እውነታ 3. ናይ 9ይ ክፍሊ ኮርስታት ምሕላፍ ብዝምልከት


ኮሌጅ ምሩቓት ካብ ትምህርቲ ዘቓረፁ ተምሃሮ 60% ን ካብኡ ንላዕልን እንተረኺቦም ኮርሶም ምሕላፍን ክረዲት ምርካብን ይኽእሉ እዮም- ኾይኑ
ተምሃሮ ብማእኸላይ ኣብ ዓመት ግን ብትኽክለኛ መንገዲ ናብ ኮሌጅ ንምብፃሕ፣ውላድኩም ብዝተኽኣለ መጠን ፅቡቕ ውፅኢት ንምርካብ
$12,900ን ካብኡ ንላዕልን ሕልፊ ክፅዕሩ ኣለዎም። ትሑት ውፅኢት ዝረኽቡ ተምሃሮ ንናይ ክልል ፈተና(ንመመረቒ ኣድላዪ ዝኾነ)ወይ ንናይ
የእትዉ። ኮሌጅ መእተዊ ፈተና ድልዋት ዘይክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ናይ ውላድኩም ናይ ምርቓ መለክዕታት ተምሃሮ ኣብ መጀመርያ ክፍሊ ምውሳዶም ኩሎም ክረዲታት እንተረኺቦም ኣብ 11ን 12 ን ክፍሊ ን4 ዓመት
ፍለጡ። ኣብቲ ናይ ዲስትሪክት ኮሌጅ ንምድላው ዝሕግዙ ላዕለዎት ኮርስታት ንኽወስዱ ግዜ ይህልዎ::ኮይኑ ግና ኣድላዪ እንተኾይኑ ተምሃሮ
ድህረገፅ ንዝወደቕዎ ኮርስ ከመሓይሽሉ ይኽእሉ እዮም።ሓደ ሓደ ኣብያተ ትምህርቲ ቅድሚ/ድሕሪ
www.seattleschools.org ትምህርቲ፣ኦንላይን፣ወይ ኣብ ሳመር ተምሃሮ ክረዲት መሊሶም ዝወስድሉ ዕድላት ይህቡ እዮም።እንድሕር
ክርከቡ ይኽእሉ እዮም። ክሊክ ውላድኩም ክርዲት መሊሱ ዝወስድ ኮይኑ እሞ ዝበለፀ ሓበሬታ እንተደሊኹም ናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ
“ኣካዳሚክስ ፣” ካብኡ “ካልኣይ ኣዘራርቡ።
ብርኪ፣ኮሌጅ፣ስራሕ” ፣ቀፂልኩም ወለዲ ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ
“ናይ መመረቒ መለክዒታት::” ወይ ናይ
መመረቒ መፅሄት ንምርካብ ናይ ➢ ተምሃርኹም በብዕለቱ ገዝ ዕዮኦም ይሰርሑ ምህላዎም የረጋግፁ::
ውላድኩም መማኸሪ ምጥያቕ:: ➢ ምስ ውላድኩም ኮይንኩም ትልሚ ኣዳልዉ እሞ ከመይ ይኸዱ ምህላዎም ሕትትዎም::
እውነታ ➢ ተምሃሮኹም ሓገዝ ኣብዝደልዩሉ እዋን ንመምህራኖም ንኽጥይቑ የበርታትዕዎም።
➢ ናይ ሕድሕድ ናይ ውላድኩም መምህራን ናይ ነጥቢ ኣወሃህባ ፖሊሲኦም ምፍላጥኩም ርግፀኛ
ካብ ኮሌጅ ዝምረቑ ሰባት ኣብ ሂወቶም ይኹኑ።
ውሽጢ ስራሕ ናይ ምስኣን ዕድሎም ➢ ቅዳሕ ናይ ውላድኩም ናይ ካልኣይ ብርክን ልዕሊኡን ትልሚ ንምርኣይ ቤት ትምህርትኹም ሕተቱ።
ብጣዕሚ ዝተሓተ እዩ።.
➢ ተምሃሮኹም ድልየቶም ንምፍላጥን ዝለዓለ ትምህርቲ ንምውሳድን ምርጨኦም ንኽጥቀሙ
ምብርትታዕ::

4. ኣድለይቲ ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ናይ ብቕዓት ፈተናታት


For updated information go to: :
https://www.seattleschools.org/cms/One.aspx?portalId=627&pageId=18711
Engaging Families in High
School Success (EFIHS) ብናይ ኣብ ዋሽንግተን ክልል ውሽጢ ካብ ዝኾነ ቤት ትምህርቲ ንምምራቕ ተምሃሮ ብንባብ፣ብፅሑፍ፣ብሒሳብን
ዩኤስ ናይ ትምህርቲ ዲፓርትመንት ናይ ሳይንስን ፈተናታት ክሓልፉ ኣለዎም።
ገንዘብ ሓገዝ ዝግበረሉ፣ናይ ሲያትል
ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርትን Jons ወለዲ ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ
Hopkins ዩኒቨርሲቲን ናይ ሓባር
➢ ናይ ክልል ፈተና ኣድላይነት ኣብ ናይ ውላድኩም ምረቓ ምርዳእ::
ትሕብብር እዩ።
➢ ተምሃሮኹም ናይ ክልል ፈተና ንምረቓ መማርፂ እንተኮነስ ናይ ግድን ኣድላዪ ምዃኑ ንኽርድእዎ
ምግባር።
➢ ውላድኩም ኣብ እዋን ፈተና እኹል ድቃስ ምርካቦምን ፅቡቕ ቁርሲ ምብልዖምን ርግፀኛ ይኹኑ።
➢ ናይ ውላድኩም ናይ ፈተና ውፅኢት ገምግሙ።ውላድኩም ብዝኾነ መለክዒ ዘየማልእ
እንተኾይኑ(እንተኾይና) ንናይ ቤት ትምህርትኹም ኣማኻሪ የዘራርቡ።

7
ፀጋታት (The Source) TIGRIGNA

For the most up to date information, go to https://www.seattleschools.org/cms/One.aspx?portalId=627&pageId=16245

ሶርስ ንስኹምን ውላድኩምን ኣቴንዳንስ፣ኣብ ኮርሶም ዘርእዎ ምዕባለታትን፣ዝጎደሉ ኣሳይመንታትን ንምክትታል ዘኽእል ናይ ዌብ ፀጋ እዩ።.
ተምሃሮ ናይ ባዕሎም ናይ ሶርስ ኣካውት ክህልዎም ይኽእል እዩ።ወለዲ/መዕበይቲ ናይ ደቆም ምዕባለ ንምክትታልን ንምድጋፍን ዝተፈለየ ናይ ሶርስ
ኣካውንት ክህልዎም ይኽእል እዩ።ወለዲ/ መዕበይቲ ሕድሕድ ናይ ደቅኹም ሓበሬታ ንምርኣይ ዘኽእል ሓደ ኣካውንት ክህልወኩም ይኽእል።
ሶርስ እዞም ዝስዕቡ ንኽትገብሩ ይኽእለኩም:

• ናይ ውላድኩም ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ንምርኣይ


• ነጥብታት ንምርኣይን ንምክትታልን ነጥብታት ኣቴንዳንስ
• ናይ ኣቴንዳንስ ሓበሬታት ንምርኣይ
• ዝጎደሉ ኣሳይመንትታት ንምክትታል
• ናብ መምህራን ኢሜይል ንምግባር
• ናይ ውላድኩም ናይ መደበኛ ፈተና ውፅኢታት ንምርኣይ
• ብሓደ ሓደ ኩነታት፣ናይ መፃኣይ ኣሳይመንታት ንምርኣይ
• ኣልኦት እውን …

ናይ ውላድኩም ናይ መደበኛ
ግምገማታት(ፈተናታት)ውፅኢታት ንምርኣይ ኣብዚኣ ዝጎደሉ ኣሳይመንታት ንምርኣይ ኣብዚኣ ይጠውቑ::
ይጠውቑ::

8
The SOURCE Account Set Up TIGRIGNA

ሶርስ ኣካውንት ምኽፋት


1. ቅድሚ ሶርስ ኣካውንት ምኽፋትኩም:
a. ኣብ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ውሽጢ ተመዝጊቦም ኣብ ዝርከቡ ደቅኹም፣ንስኹም ከም ናይ ተምሃራይ ወላዲ ወይ
መዕበዪ ክትምዝገቡ ኣለኩም።
b. ናይ ኢሜይል ኣድራሻኹም ኣብ ናይ ሕድሕድ ተምሃራይኹም መዝገብ ክህሉ ኣለዎ።ኣብ ስድራኹም ውሽጢ ዘለዉ ሕድሕድ ናይ
ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ተመሳሳሊ ናይ ኢሜይል ኣድራሻ ከምዝሃብኩም ርግፀኛ ይኹኑ።
ኣብ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ዘለዉ ሕድሕድ ደቅኹም ኣብ መዝገቦም ንስኹም ከም ወላዲ ወይ ከም መዕበዪ
ከምዝተመዝገብኩምን ተመሳሳሊ ናይ ኢሜይል ኣድራሻ ምህላዎምን ንምርግጋፅ እንተደልዮም ምስ ናይ ውላዶም ቤት ትምህርቲ
ይራኸቡ። ካሊእ መማረፂ፣ ካብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ንላዕሊ ቆልዑ እንተልይኩም፣ናብ ናይ ግልጋሎት ምዝገባ ብ 206-252-0760
ብምድዋል ናይ ኩሎም ደቅኹም መዝገብ ምርኣይን ኣብ ሕድሕዶም ሓደ ዓይነት ናይ ኢሜይል ኣድራሻ ምህላዉን ምርግጋፅ ይከኣል
እዩ።

2. ሶርስ ኣካውንት ንምኽፋት:


a. በይዘኦም http://ps.seattleschools.org/ ይኽፈቱ እሞ ሴትኣፕ( Set up) ዝብል ይጠውቑ።
b. ኣብ ሕድሕድ ተምሃራይኹም ዝተመዝገበ ናይ ኢመይል ኣድራሻ የእትዉ፣ካብኡ ኢንተር( Enter)ይጠውቑ።
c. ካብ sourcesupport@seattleschools.org ዝተልኣኸ መልእኽቲ ንምርኣይ ኢሜይሎም ይርኣዩ። እዚ ኢሜይል እንተዘይ
በፂሕዎም:
1) ስፓን ወይ ትራሽ ፎልደር ይመልከቱ::
2) ናይ ኢሜይል ኣድራሻኹም ንምሃብ ናብ ቤት ትምህርቲ ወይ ናብ ግልጋሎት ምዝገባ ብ 206-252-0760 የዘራርቡ።
d. ኢመይሎም ይኽፈቱ እሞ ሊንኩ(link )ይጠውቑ።
e. Username (ኣብ ናይ ቤት ትምህርቲ መዝገብ ዘሎ ኢሜይል)የእትዉ እሞ ናይ ይሕለፍ ቃል (Password)ይፍጠሩ።
1) ናይ ይሕለፍ ቃልኩም(Password) 5 ወይ ካብኦም ንልዕሊ ካራክተራት ክኾኑ ኣለዎም::
2) በይዘኦም ኣፍቲ ናይ ይሕለፍ ቃሎም(password) እፓስትሮፍ ‘ ኣይጠቐሙ።
f. ካብኡ ሶርስ ምምርማር ንምጅማር ኢንተር( Enter )ይጠውቑ!
ሓገዝ ንምርካብ በይዘኦም ምስ sourcesupport@seattleschools.org ይራኸቡ::
ወይ ምስ ናይ ብቤት ትምህርትኹም ዋና ቢሮ ይራኸቡ።

ብተወሳኺ ኣብ ገዛኹም ኮምቲዩተር እንድሕር ዘይብልኩም፣ናይዞም ዝስዕቡ ኮምዩተራት ብምጥቃም ናብ ናይ ሶርስ


ኣካውንትኹም ክትኣትዉ ትኽእሉ ኢኹም።:
• ናይ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ነፃ ናይ ሞባይል ኣፕ
• ናይ ህዝቢ ቤተ መፅሓፍቲ
• ናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ
• ኣብ ቀረባኹም ዝርከቡ ናይ ማሕበረሰብ ድርጅታት
ብቤተሰብ ብዙሕ ግዜ ዝጥየቑ: “ሶርስ ኣብ ክንደይ ግዜ ክሪኦ ኣለኒ?”
መልሲ: መብዛሕትኦም መምህራን ሶርስ በብክልተ ሰሙኑ የሕድስዎ እዮም።እዙይ ግን ናይ ግድን ኣይኮነን።ኣድላዪ እዩ ኢልኩም እብዝሓሰብክሞ
ግዜ ብተደጋጋሚ ክትርእይዎ ትኽእሉ እኹም፣ኮይኑ ግን በብ ክልተሰሙን እንተሪእኹሞ ዝተሓደሰ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ
ኢኹም።ኣቴንዳንስ ብቕርበት ክትከታተሉ እንተደሊኹም፣ብተደጋጋሚ ሶርስ ምርኣይ ትኽእሉ ኢኹም።ኣብ ሶርስ ዘሎ መረዳእታ ርግፀኛ
እንድሕር ዘኮይንኩም ናብ ናይ ውላድኩም መምህራን ኢሜይል ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።
ስኩሎጂ: ሓደሓደ መምህራን ገዛ ዕዮታት፣መልእኽቲታት፣ምድላዋትን፣ካላንደን ንምልጣፍ ስኩሎጂ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።ብናይ ሶርስ
ኣካውንትኹም ናብ ስኩሎጂ ክትኣትዉ ትኽእሉ ኢኹም።

9
Homework Help, page 1 TIGRIGNA

ወለዲ ናይ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ዕዮ ገዘኦም ንኽውድኡ ብኸመይ ክሕግዝዎም ይኽእሉ

መፅናዕቲታት ገዛ ዕዮ ካብ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ወይ ኣብ ማእኸላይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብዝበለፀ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት
ትምህርቲ ረብሓ ከምዘለዎ ይገልፁ። ኣብ ገዛ ዕዮ ናይ ወለዲ ተሳትፎ ዝለዓለ ኣዎንታዊ ፅላዋ ኣለዉ ዝብሉ ውሑዳት ሕቶታት ኣለዉ።
ወለዲ ፣መንእሰያት ዕዮ ገዛ እንትቃወሙ ወይ ነቲ ዕዮ ንምስራሕ ዓቕሚ እንትንእሶም፣ከጨንቕ ዎም እኳ እንተዘይከኣሉ ገዛዕዮ
ንምውዳእ ዝዓግቱ መሰናኽላት ኣብ ምውጋድ ግን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።

ወለዲ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ

ወለዲ ብዛዕባ ኣድላይነት ዕዮ ገዛ ግልፂ ዝኾነ መልእኽቲን ዝተወሰኑ ናይ ድጋፍ ሜላታትን ብምሃብ ዕዮ ገዘኦም ብምሕጋዝ መንእሰያት
ንኽሳኸዐሎም ክግብሩ ይኽእሉ እዮም። ወለዲ ገዛ ዕዮ ብዝምልከት ንደቆም ከመሓላልፍሎም ዝኽእሉ ሰለስቲ ቁልፊ መልእኽታት
ኣለዉ።

ዕዮ ገዛ ናይ ትምህርቲ ኣድላዪ ክፍሊ እዩ።መንእሰያት ዕዮ ገዘኦም ክውድኡን ብግዚኡ ከርክቡን ትፅቢት ይግበር። መንእሰያት ብዛዕባ
ገዛ ዕዮኦም ሓላፍነት ክወስዱን ናይ ግዜ ምምሕዳር ክእለትን ክህልዎም ምግባር።

ከከም ኣድላይነቱ ናይ ወላዲ ወይ ናይ ካልእ ድጋፍ ይቐርብ::ሓደሓደ መንእሰያት ብገዛ ዕዮ ብጣዕሚ ይሽገሩ እዮም፣ምኽንያቱ ከቢድ
ኮይኑ ስለዝረኽብዎ ወይ ብባዕሎም ብኸመይ ከምዝሰርሕዎ ስለዘይፈልጡ እዩ።ኮይኑ ግና ወለዲ መበረታትዒ እንትህብዎም ወይ እን
ትሽገሩ ሓገዝ ምርካብ ከምዝኽእሉ እንተርጋግፅሎም መንእሰያት ተስፋ ናይ ሙቕራፅ ወይ ናይ ምብስጫው ዕድሎም ትሑት ይኸውን።
መንእሰያት ዘይተረደኦም ወይ ዝተሸገሩሉ ኣብ ምፍላይ ክትሕግዙ ትኽእሉ።መንእሰያት ንስኹም ካብቲ ትህብዎም ናይ ዕዮ ገዛ ሓገዝ
ንላዕሊ ዝደልዩ እንተኾይኖም፣ንሶም ወይ ንስኹም ነቲ መምህር ምዝርራብ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ተወሳኺ ዝበለፀ ሓገዝ ንምርካብ
ኣማኻሪ ምዝርራብ ትኽእሉ ኢኹም። ውላድኩም ምስ መምህሮም ንምምይያጥ ምድላው ንኽገብሩ ንዓኹም ሕቶታት ብምሕታት
ልምምድ ክገብሩ ይኽእሉ እዮ።ናይቶም ተምሃሮ ምልዓዓል ትሑት እንተኾይኑ፣ወለዲ ብቐጥታ ንመምህራን ከዘራርቡ ኣለዎም።
ብጣዕሚ ዕዉታት ዝኾኑ ተምሃሮን ብልህታት ወለዲን እንኳን ካብ ገዛ ወፃኢ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ናይ ገዛ ዕዮ ማእኸል ወይ
ቱቶር ተጠቀምቲ እዮም።

ወለዲ ንውላዶም ዕዮ ገዛ ኣይሰርሕሎምን::እዚ መልእኽቲ ናይ ወለዲ ግደ ናይቶም ተምሃሮ ስራሕ ምስራሕ እንተኮነ ንዓዓቶም
ንምብርትታዕን ስረሖም ንኽሰርሑ ምሕጋዝን ምዃኑ ንመንእሰያት ንምንጋር እዩ።

ካብ Homework: A guide for Parents


By PEG DAWSON, EDD, NCSP, Seacoast Mental Health Center, Portsmouth, NH
National Association of School Psychologists ዝተወሰደ

10
Homework Help, page 2 TIGRIGNA

ዕዮ ገዛ ናይምሕጋዝ ሜላታት

ካብዞም መልእኽታት ወፃኢ ፣ወለዲ ንመንእሰያት ገዛ ዕዮኦም ክሕግዙሎም ዝኽእሉሉ ጠቐምቲ መንገዲታት ኣለዉ:

በብዕለቱ ናይ መንእሰይኩም ዕዮ ገዛ ምክትታል::ገዛ ዕዮ ንምስራሕ ናይ ወለዲ ሓገዝ ዘለዎም መንእሰያት፣ኣብ ገዛ ዕዮ ዝለዓለ ግዜ


ከምዘሕልፉ ፅንዓታት ይርእዩ። ወለዲ ንመንእሰይ ደቆም ምብርትታዕ፣ትኹረት ክግርብሩን ምስ ዕዮ ገዛ ዝተሓሓዙ ኣሉታዊ ስምዒታት
ንምውጋእ ዘኽእሉ ስትራትርጂታት ከርእይዎም ይኽእሉ።While ሓደሓደ መንእሰያት፣ብፍላይ ዕድመ እናወሰኹ እንትኸዱ ናይ ወለዲ
ሓገዝን ክትትልን ኣይቕበሉን፣ወለዲ ብንእሽተዩ ብዛዕባ ዕዮ ገዛን ነቲ ዕዮ ንምውዳእ ዘውፅእዎ ትልምን ምሕታት ይኽእሉ እዮም።
‘‘እንታይ ኢካ(ኺ) ክትሰርሕ(ክትሰርሒ) መዓዝ እዩ ክስራሕ?’’ ወለዲ መንእሰይ ደቆም ናይ ዕዮ ገዛ ትልሚ ከውፅኡ ኣብዝሕግዝሉ ግዜ
ንወለዲ በብዕለቱ ምድግጋም ይኸውን።

ግልፂ ዝኾነ ልሙድ ናይ ዕዮ ገዛ ትልሚ ምውፃእ:: ምሥዝተለመዱ ተግባራት ዝተትሓሓዙ ስራሕቲ ምስራሕ ብጣዕሚ ቀሊል
እዩ።ወለዲ ዕዮ ገዛ ንምውዳእ በብመዓልቱ ምስራሕ ነቲ ዕዮ ገዛ ብዝተቀላጠፈ መንገዲ ንምስራሕ ጥራሕ ዘኮነስ፣ንኮለጅን ስራሕን
ሓዊስካ ኣብ ቀፃላይ ሂወቶም ተግባራዊ ክገብርዎ ዝኽእሉ ስርዓታት የዕብየሎም እዩ።ዕዮ ገዛ ንምስራሕ ዝፍፀሙ ተግባራት እዞም
ዝስዕቡ እዮም።:

• ውላድኩም ውፅኢታዊ ዝኾነ ናይ መምሃሪ ቦታ ንኽፈጥር ይሓግዙ፣ኩሎም ተምሃሮ ዝምሃሩን ዘፅንዑን ብተመሳሳሊ መንገዲ
ኣይኮነን።ብሓፈሻ ሓደ ተምሃራይ ካብ ረብሻን ምቁርራፅን ነፃ ዝኾነ፣ፅቡቕ ብርሃን ዘለዎን ምቹው ወንበር ኣብ ዘለዎ ቦታን
ዝለዓለ ምልዓዓል ከርእን ኣብ ፅንዓት ከትኩርን ይኽእል እዩ።.

• መንእሰያት ዕዮ ገዘኦም ንምውዳእ ዘድልይዎም ነገራት ብምሉኦም ክህልዎም ኣለዎም


(ንኣብነት:እርሳስ፣መደምሰስ፣ወረቐት፣መዝገበ ቓላት፣ካልኩለተር)::

• ዕዮ ገዛ ንምስራሕ ፅቡቕ ግዜ ይምረፁ(ንኣብነት፣ድህሪ ትምህርቲ፣ቅድሚ ድራር፣ወይ ቅድሚ ድራር)።

• ዕዮ ገዛ ንምውዳእ ትልሚ ምውፃእ(ንኣብነት:ዝስርሑ ስራሕቲ ኩሎም ይዘርዝሩ፣መንእሰያት ሕድሕድ ስራሕ መዓዝ


ከምዝጅምሩን እቲ ስራሕ ንምውዳእ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከምዝወስድ ምግማት)::

• መንእሰያት ዝተዋቐረ ስርዓት ንኽሃንፁን በቲ ዝሃነፅዎ ንኽፀንሑን ይሓግዝዎም።መንእሰያት ናይ ስራሕ ቦቶኦም ንኸፅርዩን ዕዮ
ገዝኦም ንምክትታል ዘኽእል ስርዓት ንኽህልዎምን ይሓጋዝዎም።

ካብ Homework: A guide for Parents


By PEG DAWSON, EDD, NCSP, Seacoast Mental Health Center, Portsmouth, NH
National Association of School Psychologists ዝተወሰደ

11
Some Ways for Parents/Guardians to Engage with Their Students TIGRIGNA
TIGRIGNA

ወለዲ /መዕበይቲ ምስተምሃሮኦም ንምስታፍ ዘኽእልዎም ሓደሓደ


መንገዲታት

• ውላድኩም ንተግባሮም ተጠየቕቲ ንኽኾኑ ግበርዎም:: እዙይ ማለት ሕድሕድ ኣባል ቤተሰብ ንዝገብሮ ተግባር ተጠያቒ እዩ
ማለት እዩ፣ስለዚህ ሕድሕድ ሕግን ደንብን ስነምግባር ክኽተል ትፅቢት ይግበረሉ።ደቅኹም ተጠየቕቲ ናይ ምግባር ናይ
መጀመርያ ስጉምቲ ንስኹም ካብኦም እትፅበይዎ ነገር ግልፂ ምግባር እዩ።

• ውላድኩም ብዛዕባ ትምህርታዊ ትልሞምን ናይ ስራሕ ድልየቶም ይሕተትዎም።ብዛዕባ ናይ ኾሌጅን ስራሕን ዕድላት
መረዳእታታ ብምትእኽኻብ ሓገዝ ይግበሩ።.

• ውላድኩም ካብ ምንባብ ዝተረኸቡ ትርጉሞም ዘይፈልጥዎም 5ቃላት ክመርፁ ብምግባር ሕድሕድ ቃል ኣብ ሙሉእ ሓሳብ
ብምእታው እንደገና ክንብብዎም ይግበሩ።ኣብ ሕድሕድ ሙሉእ ሓስብ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓሉ መሰረት ብምግባር
ናይ ሕድሕድ ቃላት ትርጉም ተዘራረቡ።.

• ናይ ሕብረተሰብ ወይ ናይ ሳይንስ መፅሓፍ ምንባብ፣ውላድኩም ነቲ ፅሑፍ ንምርዳእ ኣድለቲ ዝኾኑ ቃላት ንከውፅኡ
ምሕጋዝ።ናይ ባዕሎም ናይ ትሕዝቶ መዝገበ ቃላት እንተዳልዉ ሓፀርቲ መግለፂታት ከውስኹሉ ይኽእሉ እዮም።

• ውላድኩም ናይ ፅሑፍ ማስታወሻታት መዝጊቦም ንኽሕዙ ምግባር::

• ኣብ ሂወትኩም እትርእይዎም ናይ ሒሳብ ምትእሳሳራት ተዘራረቡ:


o ንናይ ቤተሰብና ናይ ኤሌክትሪክ ወይ ናይ ማይ ቢል ኣስተዋፅኦ ዘለዎም ነገራት እንታይ እዮም?
o ሓበሬታ ምእካብ: ብመኪና ዝተጓዓዝሉ ርሕቐትን ሰዓትን::
o ገዛና ቀለም ንምልካይ ክንደይ ዝኣክል ቀለም ከምዘድሊ ብኸመይ ንፈልጥ?
o ኣብ ጋዜጣ ወይ መፅሄት ዝኾነ ዝርዝር ወይ ሰንጠረዥ እንትትሪኡ፣ተምሃሮኹም ብዛዕብኡ እንታይ ዓይነት ድምዳሜ
ከምዘለዎም ጠይቕዎም::

• ኣብ ገዛ ብዛዕባ ሳይንስ ተዘራረቡ::ውላድኩም ኣብ ሳይንስ ዓይነት ትምህርት እንታይ ከዝተምሃረ ንስድርኡ


ክገልፅ(ክትገልፅ)ይኽእል(ትኽእል)ዶ? ብሓባር ኮይንኩም ናይ ውላድኩም ናይ ሳይንስ ደፍተር ተመከቱ::

• ውላድኩም ብዛዕባ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዓለም ሕቶታት ንኽሓቱ ኣተባብዕዎም።ውላድኩም ሕቶታት ብቐጥታ ካብ


ምምላስ፣ብምዕዛብ።ብምድህሳስ፣ብምምርማርን፣ብመፅናዕትን ተደሪኾም መልሲ ንኽህቡ ሓጋዎም።

ካብ the 2014 Seattle Public Schools’ Family Literacy, Math, & Science Toolkits
that were developed by the District’s Literacy, Math, and Science coaches and Family Engagement Office ዝተወሰደ::

12
Most Frequently Asked Questions of School Counselors TIGRIGNA

ንናይ ቤት ትምህርቲ ኣማኸርቲ ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት

ውላደይ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዝተሳኸዐሊ ንኽኸውም እንታይ


ክገብር ይኽእል?
መልሲ: ይሳተፉ! ናይ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ናብ
ባዕሎም ምኽኣል እናምርሑ እዮም።እንተኾነ ግን ናይ ወለዲ ተሳትፎን
ቁፅፅርን የድሊ እቱ።እዙይ ንበይኖም እንገድፎም ግዜ ኣይኮነን!
ኣብ ገዛን ኣብ ቤት ትምህርት ኣብ ናይ ውላድኩም ነገር ተሳተፉ።ተምሃሮ ካብ ማእኸላይ ደረጃ ቤት ትምህርት ናብ ካልኣይ ብርኪ ቤት
ትምህርቲ እንትሰጋገሩ ናይ ዓበይቲ ተሳትፎ መብዛሕትኡ ግዜ ጥቕሚ ከምዘለዎ ፅንዓታት የርእዩ።ናይ ትምህርቲ ኣድላይነት ኣብ ናይ
ውላድኩም ሂይወት ንምግላፅ ካባኹም ዝበለፀ ማንም ሰብ ከምዘየለ ኣስታውሱ።ኣብ ገዛ ውሽጢ ዝግበር ናይ ምይይጥ ግዜ ወስኹሉ።
ብዛዕባ ናይ ክፍሊ ስራሕ፣ንጥፈታትን ዕዮ ገዛን ተመያየጡ።ውላድኩም፣ብኸመይ እናተምሃረ ምዃኑን/ወይ ኣብ ክፍሊ ውሽጢ እንታይ
ከምዝመሃሩ ን ብኸመይ ምሕጋዝ ከምትኽእሉን ጠይቕዎም።

መማኸርቲ ንውላደይ ንናይ ኮሌጅ ትልምን ማመልከቻን ይሕግዙዎ(ዋ) ዶ?


መልሲ: እዙይ እቲ ንኾርዐሉ ኣድላዪ ዝኾነ ናይ ስራሕና ኣካል እዩ።ኣብ ናይ መጀመርያ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ምሳኹም ተራኺብና
ናይ ስራሕ ርክብ እንተሃኒፅና ፣ንዓኹምን ንውላድኩምን ብጣዕሚ ሓገዝቲ ክንኮን ንኽእል ኢና።

ውላደይ ምስ ሓደ ክፍሊ/ መምህር ሽግር እናገጠሞ እዩ።ክፍሉ(ላ)ክቕየር ይኽእል ዶ?


መልሲ: ምስቲ መምሀር ብቐጥታ ብዝግበር ርክብ ብዙሕ ሽግራት ምፍታሕ ይከኣል እዩ። ዝጅመር ካብዙይ እዩ።ኮይኑ ግን ሓደ ሓደ
ግዜ መልእኽትታት ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ወይ ብናይ ድምፂ መልእኽቲ ምግዳፍ ይከኣል እዩ።ናይ ቀትሪ ስልክኹም ከምዘካተትኩም
ርግፀኛ ኹኑ።እቲ ሽግር እናቀፀለ እንተኸይዱ፣ነመማኸርቲ ኣፍልጡ።

ውላደይ እንትሓምም፣እቲ ዘምለጦ ስራሕቲ ብኸመይ ክረክብ ይኽእል?


መልሲ:ዘምለጡ ኣሳይመንታት ንምርካብ ናይ ውላድኩም መምህር ብቐጥታ ኢሜይል ምልኣኽ ወይ ምድዋል ትኽእሉ።ዘምለጡ
ኣሳይመንታት ንምፍታሽ ሶርስ ን ስኩሎጂን ገፃት ምርኣይ ትኽእሉ ኢኹም።ብተወሳኺ እውን ውላድኩም ምስ መሓዙቶም ተራኺቦም
ዕዮ ገዘኦም ንኽሰርሑ የበረታትዕዎም።

ተምሃራየ ካፍቶም ዓይነታት ትምህርቲ ብሓዲኡ ዘይሓለፈ እንተኾይኑ፣ናይ ሳመር ትምህርቲ ወይ መሊሱ ክረዲት ምርካብ ኣድላዪ ድዩ?
መልሲ: እዙይ በቲ ዓይነት ኮርሲ የውሰን።ምስናይ ውላድኩም ኣማኻሪ ምዝርራብ ብጣዕሚ ወሳኒ እዩ።

ብዛዕባ ውላድኩም ስግኣት እንተልይኩም ወይ ኣብ ውላድኩም ለውጢ እንተሪእኹም እሞ እቲ ለውጢ ንምንታይ ከምዝኾነ ዘይትፈልጥዎ
እንተኾይንኩም ምስ ናይ ቤተሰብኩም ዶክተር ተዘራረቡ።ብተውሳኺ፣ናይ መንእሰያት ጥዕና ማእኸል፣ናይ ቤት ትምህርቲ ሓኪም፣ወይ ናይ
ውላድኩም ናይ ቤት ትምህርቲ ኣማኻሪ ምዝርራብ ትኽእሉ።

ኣጠቓላሊ ስግኣት እንተልይኩም እሞ ናብ መን ከምትድውሉ ዘይትፈልጡ እንተኾይንኩም፣በይዛኹም ንናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ ኣማኻሪ
ይደውሉ።

ካብ Seattle Public School’s Ballard High School “Welcome to 9th Grade Parent Orientation” Packet ዝተወሰደ

13
TIGRIGNA

Naviance: ናይ መስመር( Online) ናይ ኮሌጅን ስራሕን ትልሚ መሳርሒ


Naviance ካብ 8 እስካብ 12 ክፍሊ ዘለዉ ናይ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮን ቤተሰቦምን ካብ መጀመያ ቀውዒ 2018
ጀሚሩ ዝርከብ እዩ።Naviance ፣ተምሃሮ ናይ ኮሎጃትን ናይ ስራሕ ጉዕዞታትን ንኽድህስ ሱ፣ምስ ሞየኦምን ውላቃዊ ባህሪኦም ብምዝማድ
ክእለቶምን ተውህበኦምን ንኽትንትኑን፣ኣብ ናይ ትምህርታዊ ትልምም ንምብፃሕ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ካፍቲ መንገዲ ንኸይወፁ
ይኽእሎም።Naviance ናይ ድሕረ ካልኣይ ብርኪ ትልሚ ምስ ተምሃሮ፣ኣማኸርትን ቤተሰብን ዘሎ ርክብ የጠናኽር።

ናይ ተምሃሮ ጥቕምታት
Naviance ተምሃሮ ድሕሪ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቶም ነዞም ዝስዕቡ ዕድላት ብምሃብ ንህይወቶም ዝኸውን ትልሚ ንኸውፅኡ
የኽእሎም።
• ናይ ኮሌጃት ዕድላትን ናይ ስራሕ መስክታትን ምድህሳስ
• ናይ 4 ዓመት ኮርስ ትልሚ ምድላውን ንኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምረቓ ክትትል ምግባርን
• ስኮላር ሽፕ ሓዊስካ ናይ ኮሌጅ ናይ ገንዘብ መርከቢ መማረፂታት ምግንዛብ
• ዝስማማዕ ኮለጃትን፣ናይ ኮሌጅን ስራሕን ዘርፍታት ምልላይ
• ረዙመ፣ናይ ትምህርቲ መረዳእታን ናይ መምህራን ድጋፍን ሓዊስካ ንስራሕን ኮሌጅን ንምምልካት ዝሕግዙ መረዳእታታት ምድላው

ናይ ቤተሰብ ጥቕምታት
Naviance ወለዲ ተምሃርኦም ድሕሪ ካብ ካልኣይ ብርኪ ምምራቕም ነዞም ዝስዕቡ ዕድላት ብምሃብ ንህይወቶም ዝኸውን ትልሚ
ንኸውፅኡ የኽእሎም:
• ናይ ኮሌጅ ን ስራሕን ዕድላት ምስ ተምሃራይካ ምድላይ
• ተምሃሮ ኣብ ናይ ኮሌጅን ስራሕን ከይዲ ትልሚ በዓል ዋና ንኽኾኑ ምሕጋዝ
• ተምሃሮ ጥንካረኦም፣ድልየቶም ትልሞምን ንኽፍትሹ ምሕጋዝ
• ስኮላርሽፕ ምድላይን ናይ ገንዘብ ድጋፍ ሓበሬታን ሓዊስካ ናይ ኮሌጅ ገንዘብ መርከቢ መማረፂታት ምፍታሽ
• ብጣዕሚ ኣድለይቲ ዝኾኑ መዓልትታት ምክትታል

ናይ Naviance ጠቕላላ እይታ ይርኣዩ: https://www.seattleschools.org/academics/college_career_readiness/naviance

ተምሃሮ ናይ Naviance ብኸመይ ይኣትዉ


ካብ መስከረም 2018 ጀሚሩ ካብ 8ይ እስካብ 12 ክፍሊ ዘለዉ ተምሃሮ ብናይ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ድህረ ገፅ ብናይ
ተምሃሮ መእተዊ ምእታው ይኽእሉ።

ናይ ካልኣይ ብርኪን ካብኡ ንላዕልን ትልሚ


ዋሽንግተን ክልል ኩሎም ተምሃሮ ናይ ካልኣይ ብርክን ካብኡ ንላዕልን ትልሚ ንኸዳልው ይደሊ። ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርት፣ ናብ 8 ክፍሊ ዝኣትዉ
ተምሃሮ ናይ 4ተ ዓመት ናይ ካልኣይ ብርኪ ኮርስ ትልሚ፣ረዙመ፣ድህረ ካልኣይ ብርኪ ትልሚ፣ናይ ስራሕን ኮሌጅን ትልሚ ሓዊሱ ናይ 5ተ ዓመት ትልሚ
ምድላው ከምዝጅምሩ ትፅቢት ይገብር።እቲ ተምሃራይ ናይ ካልኣይ ብርክን ካብኡ ንላዕልን ትልሚ እንተውፅእ እቲ ትልሚ ምስ ግዜ ዝሕደስ ክኸውን
ኣለዎ።ናይ ቤት ትምህርት ኣማኸርቲ፣ሰራሕተኛታት ወይ ወለዲ በቲ ክልል ዝተረጋገፀ መሳርሒ ንተምሃሮ ናይ ውልቆም ትልሚ ንኸውፅኡ ይሕግዝዎም።
ንተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ድህረ ገፅ ይመልከቱ:
http://www.seattleschools.org/cms/One.aspx?portalId=627&pageId=29495189

14
Supporting 9th Grade Students who Receive Special Education Services TIGRIGNA

ናይ ፍሉይ ድልየት ትምህርቲ ግልጋሎት ዝረኽቡ


ናይ 9 ይ ክፍሊ ተምሃሮ ምሕጋዝ
ካብ ጠቕላላ ናይ 9ይ ክፍሊ ተምሃሮ በዝሒ ቦኾራን ትምህርቲ ምውዳቕን ብዝበለፀ ኣብ ፍሉይ ድልየት ተምሃሮ ከምዝርአ መፅናዕትታ ይሕብሩ።

መበገሲ በኾራ ትምህርቲ ምርኣይን ምፍታሕን ብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ። ብዙሕ በኾራታት(ልዕሊ10% ናይ ትምህርቲ መዓልትታት ምትራፍ)ናይ
ትምህርቲ ምውዳቕ ከምዘስዕብ ተፈሊጡ እዩ። ናይ ተምሃሮ ካብ ትምህርቲ ናይ ምትራፍ ምኽንያታት እንታይ እዮም?
• እቶም ቦኾራታት ምስቲ ናይቲ ቆልዓ ናይ ኣካል ስንክልና ዝተተሓዙ ድዮም?
• ኣብ ኣይኢፒ ክረአዩን ክምዝገቡን ዝግበኦም ናይ ጥዕና ፀገማት ኣለዉ ዶ?
• ናይ መጓዓዓዝያ ጉዳይ ድዩ?
• እቶም ቦኾራታት ከም ፍርሕን ጭንቅን ዝበሉ ፣ትምህርቲ ንኽፀልኡ ዝገብሩ ፣ ቅልጡፍ ፍታሕ ዘድልዮም ምስቲ ናይቲ ቆልዓ ስንክልና
ዝተተሓሓዙ ድዮም?

ብዝተኽኣለ መጠን ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንኽርከቡ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ከባቢ ብኸመይ ምሕያሽ ክምዝከኣልን ሓዊሱ ናይ ትምህርቲ
ቦኾራታት ንምምሕያሽ መፍትሕትታትን ስልትታን ኣብ ምድላው ተምሃሮ ምስታፍ።

ወለዲ /መዕበይቲ ብዛዕባ ናይ ኣቴንዳንስን ናይ ኮርስ መሕለፍን ዘጋጥሙ ሽግራት ንምቕራፍ ዝሐሹ ሜላታት ንምዝርራብ ናይ ኣይኢፒ
ኣኼባ(ውልቃዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ንዘለዎም)ወይ ካሊእ ናይ ቤት ትምህርቲ ናይ ጉጅለ ኣኼባ ምጥያቕ ትኽእሉ ኢኹም።ናይ ኣኼባ ቆፀሮ
ንምትሓዝ ናይ ውላድኩም ኣማኻሪ ወይ የ ኣይኢፒ ኬዝ ማናጀር ምጥያቕ ትኽእሉ። ኣፍቲ ኣኼባ ኣስቶርጓሚ ዘድልየኩም እንተኾይኑ አቐዲምኩም
ኣፍልጡና።

ናይ ኣካል ጉድኣት ዘለዎም ተምሃሮ ንድህረ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ምድላው


ናይ WSAC/Gear Up Resource Guide ሊንክ ይመልከቱ: ናይ ኣካል ጉድኣት ዘለዎም ተምሃሮ ንድህረ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ምድላው
.

http://www.gearup.wa.gov/file/preparing-students-disabilities-postsecondary-education-resource-guide-use-
gear-school-staff

እዚ መምርሒ ናይ ሞያን ናይ ስራሕን ኣብያተ ትምህርቲ፣ ናይ ኣርባዕተ ወይ ናይ ክልተ ዓመት ኮሌጃት ከምኡ እውን ዩኒቨርሲታትን ሓዊስካ ናይ
ድህረ ካልኣይ ብርኪ ተቋማት ትምህርቶም ክቕፅሉ ዝሓስቡ ናይ ኣካል ጉድኣት ዘለዎም ናይ ካልኣይ ብርኪ ተምሃሮ ዝሰርሑ ቤተሰብ ንምርዳእ
ዝተዳለወ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ድህረ ካልኣይ ብርኪ ተቋማት ካብ ናይ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝለዝፈላለዩ እዩ።ናይ ኣካል ጉድኣት
ዘለዎም ተምሃሮ ዝተሳኸዐሎም ንኽኾኑ መሰሎም፣ሓላፍነቶምን ንባዕሎም ጠጠው ክብሉ ከምዘለዎምን ምፍላጥ ኣድላዪ እዩ።

15
TIGRIGNA

ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ (SPS)

ዝለዓለ ብቕዓት ዘለዎም መሰጋገሪ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ


(HIGH SCHOOL HIGHLY CAPABLE (HC) PATHWAYS )
HC ካልኣይ ብርኪ ናይ ኮርስ ምኽርታታት
ከም ናይ 2019-2020 ናይ ትምህቲ ዓመት፣ኣብዚ ሕዚ ግዜ ሰለስተ HC ካልኣይ ብርኪ (Garfield, Lincoln & West Seattle) ሓዊስካ፣
ዕላማና ኣብ ሕድ ሕድ HC ካልኣይ ብርኪ ዝቐርብ ክግመት ዝኽእል፣ሓደ ዓይነት ዝኾነን ቀፃልነት ዘለዎን ዝለዓለ ኮርስ ምፍጣር እዩ። መዝገብቲ
ምዝገባ ንኽሕግዙ ድልዋት እዮም ፣ናይ ቤት ትምህርቲ ኣማኸርቲ ድማ ተምሃሮ ናብ ቤት ትምህርቶም ምስተመደቡ ብመሰረት ውልቃዊ
ድልየቶም ንኽሕዙ ተዳልዮም ይርከቡ። ናይዚ ስራሕ መደብ ቅደም ሰዓብ ዝግበኦ ምልላይ ፣ናብ ዝለዓለ ምደባን ዕፅፊ ክረዲት ኮርስታትን
የጠቓልል። ዝተወስኑ ኮርስታት ብናይ ተምሃሮ ድልየት፣ምዝገባን ናይ ሰብ ሓይልን ምኽንያት ብተኸታታሊ ቅደም ሰዓብ ክወሃቡ ይኽእሉ እዩ።
ብዛዕባ ካብ 6-12 ክፍሊ ተምሃሮ HC Pathways ን ምደባ ቤት ትምህርትን ተወሳኺ ሓበሬታ
Advanced Learning 6th-12th Grade Students ድህረ ገፅ ይርአዩ። ንምቅላል እንትብሃል፣ኣብ ታሕቲ ብተደጋጋሚ ንዝሕተቱ ውሑዳት
ሕቶታት መልሲ ቀሪቦም ኣለዉ።
ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት (FAQ)

• ሓደ ተምሃራይ ኣብ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ዝለዓለ ብርኪ ኮርስታት ንኽምዝገብ፣ንናይ ዝለዓለ ብቕዓት ዘለዎም(HC)ወይ
ናይ ዝለዓለ ትምህርቲ(AL) ኣገልግሎት ብቑዕ ክኾኑ ኣለዎ ዶ?
ዋላ ናይ HC ወይ AL ብቕዓት ኣይሃልዎም፣ኩሎም ብቕዓታት፣ላዕለዋይ ምደባ(AL)፣ IB ን ናይ ዕፅፊ ክረዲት ኮርስታት ንኹሎም ተምሃሮ ክፍቲ
እዮም። ኣብ Ingraham ካልኣይ ብርኪ ብ International Baccalaureate Accelerated (IBX) ፕሮግራም ንምምዝጋብ ዝደልዩ ተምሃሮ
ግና ን HC ግልጋሎት ብቑዓት ኽኾኑ ይድለ።
• ሓደ ተምሃራይ ኣብ ዝኾነ ናይ ሲያትል ናይ ህዝቢ ቤት ትምሀቲ ኩሎም ናይ HC ኮርስታት ክወስድ ዶ ይኽእል?
ኣይከኣልን :: ን HC ግልጋሎት ብቑዓት ዝኾነ ተምሃሮ ካፍቶም ሰለስተ ናይ ዝላዓለ ብቕዓት ዘለዎም መሰጋገሪ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ
ኣብ ሓዲኡ ናይ HC ኮርስታት ክወስዱ ይኽእሉ። ኣብዚ ናይ ስግግር ከይዲ፣ሓደሓደ ኮርስታት ብናይ ተምሃራይ ድልየት፣ብናይ መዝገባን
ሰራሕተኛታትን ምኽንያት ብተኸታታሊ ቅደም ሰዓብ ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም።
• ሓደ ናይ 2ይ ብርኪ ተምሃራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ 2018-2019 ኣብ Garfield ካልኣይ ብርኪ ወይ Ingraham ካልኣይ ብርኪ
ተመዝጊቡ እንተኾይኑ ኣብ 2019-2020 ናይ ትምህርቲ ዓመት ቤት ትምህርቲ ክቕይር ኣለዎ ዶ? ኣይብሉን :: ኣብዚ ሕዚ ኣዋን ኣብ ዝለዓለ
ብቕዓት ዘለዎም መሰጋገሪ ኣብያተ ትምህርቲ Garfield ን Ingraham ዘለዉ ኩሎም ተምሃሮ ኣብኡ ይቕፅሉ እዮም።
• ኣብ HC ዝተመደበ ተምሃርይ ኣብ 2018-2019 ኣብ Garfield ካልኣይ ቤት ትምህርቲ ዝተመዝገበ እንተኾይኑ፣እቲ ተምሃራያ ኣብ 2019-
2020 ናብ Lincoln ካልኣይ ብርኪ ንኽቅይር ክሓትት ይኽእል (ትኽእል) ዶ?
እወ::ን HC ግልጋሎት ብቑዓት ዝኾኑ ኣብ 2019-20 ናብ 10ይ ክፍሊ ዝኣትዉ ተምሃሮ፣ ዋላ 8ይ ኣብ ክፍሊ ኣብ HCC ፕሮግራም
ኣይንበሩ፣እንድሕር ኣብ Garfield ኮይኖም ወይ ዝኾነ ናይ ከባቢኦም ቤት ትምህርቲ ኾይኖም እሞ ኣብ Lincoln HC pathway ናይ መምሃሪ
ክልል ዝነብሩ እንተኾይኖም ናብ Lincoln ንምእታው ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። ቤተሰብ ኣብ ክፍቲ ናይ ምዝገባ ግዜ ናይ መረፃ ቅጥዒ ከእትዉ
ኣለዎም። ብዛዕባ ክፍቲ ናይ ምዝገባ ግዜ ተወሳኺ የንብቡ።
• ን HC ግልጋሎት ብቑዓት ዝኾኑ ተምሃሮ ፣ኣብ ናታቶም HC መሰጋገሪ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ ኣድላዪ ድዩ ? ኣይኮነን :: ን HC
ብቑዓት ዝኾኑ ተምሃሮ ብድልየት፣ናይ ኮሌጅን ስራሕን ትልሚ መሰረት ብምግባር ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ክመርፁ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ልሙድ ናይ HCC ሞዴል ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርት ኣይቕፅልን; ይኹን እንበር HC ን AL ግልጋሎት ዝረኽቡ ተምሃሮ ናይ
ዝለዓለ ብርኪ ኮርሰ ምውሳዶም ይቕፅሉ።
• ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዲፕሎማ ተምሃራየ HC ወይ AL ሞዃኑ(ና)የርእይ ዶ ?

16
ኣብ ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዲፕሎማ ብዛዕባ ናይ ተምሃሮ ፣ HC ወይ AL ወይ ዝኾነ ካሊእ ናይ ፍሉይ ድልየት ስያሜ ዘርኢ ምልክት
የብሉን። ብ ናይ FERPA ሕጊ መሰረት ኣብ ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ መረዳእታ ወይ ዲፕሎማ ናይ ፍሉይ ድልየት
ስያሜታት ኣይዝርዘሩን። ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዲፕሎማ ናይቲ ተምሃራይ ናይ ክልልን ዲስትሪክትን ናይ ትምህርቲ ክረዲት
መለክዕታት ምምለኦም ዘረጋግፅ ሰነድ እዩ።

• ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ መረዳእታ ናይቲ ተምሃራይ ናይ HC ወይ AL ኩነታት ይዝርዝር ዶ ?


ብ FERPA ሕጊ መሰረት ኣብ ዝኾነ ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ መረዳእታ ወይ ዲፕሎማ ፍሉይ ድልየት ትምህርቲን/ወይ
ኣወሃህባ ግልጋሎት ኣይዝርዘርን። ኮይኑ ግን፣ AP ፣ IB ፣ ራንግ ስታር, Tech Prep ን ኮሌጅ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ን ኮርስታት ኩሎም ኣፍቲ ናይ
ትምህርቲ መርዳእታ ይጥቀሱ እዮም።
• ኩሎም ናይ መመረቒ መለከዒታት ዘማልኡ ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ቀዲሞም ክምረቑ ይኽእሉ ዶ?
እወ። ተምሃሮ እንድሕር ኩሎም ናይ ክልልን ዲስትሪክትን ናይ መመረቒ መለክዒታት ኣማሊኦም፣እቶም ዘድልዩ ክረዲታት ምምለኦምን ቀዲምካ
ምምራቕን ንምርግጋፅ ምስ ናይ ቤት ትምህርቶም መማኸሪ ክራኸቡ ኣለዎም።ተምሃሮን ቤተሰብን ተምሃራዮም ኩሎም ናይ መመረቒ
መስፈርትታት ከምዘማልኡ ንምርግጋፅ ናይ መመረቒ መፅሄት ምርኣይን ምስ ናይ ቤት ትምህርቶም መማኸሪ ምርኻብን ይድልዮም።
• ሓደ ተምሃራይ ኣብ ማእኸላይ ቤት ትምህርቲ እናሃለወ ንኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ክረዲት ብቑዕ ኮርሰ እንተወዲኡ፣እዞም ክረዲታት
ናብ ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ትራንስክሪፕት ናይ ምዝዋር ከይዲ ከመይ እዩ?
ንኻልኣይ ብርኪ ክረዲት ብቑዕ ዝኾኑ ኣብ ማእኸላይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኮርሰ ዝወሰዱ ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፣ ካብ ናይ ካልኣይ
ብርኪ ቤት ትምህርቲ መማኸሪኦም ናይ ማእኸላይ ትምህርቲ ኮርስ ቅጥዒ ክጥይቑ ይኽእሉ እዮም። ተምሃሮን ወለድም እቲ ዝተመልአ ቅጥዒ
ክረዲት ዘውህብ ምዃኑ ንኽርአ ናብ ናይ መማኸርቲ ቢሮ ኣታዊ ክትገብርዎ ኣለኩም።

ካብ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ተምሃራይ ግልጋሎት ሓገዝ ቤት ፅሕፈት፣ዝለዓለ ትምህርቲ


ኣብ ጥሪ 16 ፣ 2019ዝተመሓየሸ
ንዝበለፀ ሓበሬታ: https://www.seattleschools.org/cms/one.aspx?pageId=14554
(www.seattleschools.org > Academics > Advanced Learning)

17
State Testing Requirements for Graduation TIGRIGNA

ንምረቓ ኣድለይቲ ዝኾኑ ናይ ክልል ፈተናታት


For updated information go to: : https://www.seattleschools.org/cms/One.aspx?portalId=627&pageId=18711

ኩሉም 10ይ ክፍሊ ተምሃሮ ስማርተር ባላንሰድ ግምገማታት (SBA) ቋንቋ እንግሊዝን (ELA) ሒሳብን ፈተናታት ክወስዱ
አለዎም።
ኩሉም 11ይ ክፍሊ ተምሃሮ Washington Comprehensive Assessment of Science* እውን ክወስዱ
አለዎም።

*ካብ 2019-2020 ናይ ትምህርቲ ዓመት ጀሚሩ ናይ ሳይንስ ፈተና ምሕላፍ ንምረቓ ኣገዳሲ እዩ።

እንድሕር ሓደ ተምሃርይ ኣብ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ(ELA)ን/ወይ ሒሳብን ፈተናታት እንተዘይሓሊፉ ካብ 11 ክፍሊ ጀሚሩ


እዞም ዝስዕቡ መማረፂታት ኣለዉ።
1. እቲ ተምሃራይ ኣብ 11ን/ወይ 12 ክፍሊ SBA ፈተና ከምኣድላይነቱ ደጊሙ ክወስድ ይኽእል እዩ(ቀውዕ ን/ወይ ፅድያ)።
2. እቲ ተምሃርይ ብ SAT ወይ ብACT ፈተና ናይ መሕለፊ ውፅኢት ክረክብ ይኽእል እዩ። SAT ብዘይ ክፍሊት ኣብ ትምህርቲ መዓልቲ
ን ጁንየር ተምሃሮ ይወሃብ።እቲ ተምሃራይ ንመመረቒ ናይ መማረፂ ነጥቢ ንኽጥቀም ናይ SBAC ፈተና ክፍትን ኣለዎ።

ናይ 2017-2020 ክፍሊ:
ንምረቓ ኣድለይቲ ዝኾኑ SAT with
ፈተናታት SAT ACT with ACT (no
Essay (March 2016
(March 2016 or later) Writing Writing)
or later)
ሒሳብ 430 430 16 16
ቋንቋ እንግሊዝኛ 410 N/A 14 N/A

3. እቲ ተምሃራይ ኣፍቲ ቤት ትምህርቲ ናይ COE (Collection of Evidence) ክፍሊ ክምዝገብ ይኽእል እዩ፣ ኣፍቲ ክፍሊ ክረዲት
ይረክብ፣ናይ መሕለፊ ክረዲት ከውህብ ዝኽእል ናይ ስራሕ ተግባራት ኣታዊ ይገብር። ሓደሓደ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ሓሊፎም ናይ
መመረቒ መስፈርቲ ከማልእሉ ዝኽእሉ ናይ ዓመት ሙሉእ ትምህርቲ Bridge to College ከየቕርባ ይኽእላ እየን።
4. እቲ ተምሃርይ በ ቋንቋ እንግሊዝኛ (ELA)ን ሒሳን ብ dual credit option ክሓልፍ ይኽእል እዩ ፣ ከም Running Start ወይ
College in the High School (CIHS) ዝበሉ ::
5. ንፍሉይ ድልየት ተምሃር፣ተወሰኽቲ መሰጋገርቲ መንገድታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ናይ ውላድኩም ካልኣይ ብርኪ ቤትምህርቲ ዝቐርቡ መማረፂታት ንምፍላጥ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣማኸሪ ወይ ናይ ትምህርቲ ሓገዝቲ ሰብ
ሞያ ይጠይቑ።

18
Explanation of Terms TIGRIGNA

ናይ ቃልት መግለፂታት
ACT ን SAT ናይ ኮሌጅ መእተዊ ፈተናታት
ብዙሓት ኮሌጃት ናይ ACT ወይ SAT ፈተናታት ውፅኢት ከም ናይ መመዝገቢ ከይዲ ኣካል ንኽኸውን ይሓቱ።
መብዛሕትኦም ኮሌጃትን ዩኒቨርሲታትን ቅበላ ንምውሳን ዝጥቀሙሎም ናይ መእተዊ ፈተናታት እዮም።ናይ ACT ን SAT ን ፈተናታት ዓላማ ናይ ካልኣይ
ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ንኮሌጅ ድልዋት ምዃኖም ንምልካዕን ኮሌጃት ንኹሎም ኣመልከትቲ ንምንፅፃር ዝጥቀምሎም ነጥቢ እዩ።መብዛሕትኦም ናይ
ካልኣይ ብርኪ ተምሃሮ ACT፣SAT ወይ ክሊትኦም ፈተናታት ጁኘር ተምሃሮ ኣብ ፅድያ፣ሲንየር ተምሃር ድማ ኣብ ቀውዒ ይወስዱ:: ኮሌጅ ቅድሚ
ምምልካትኩም ውፅኢትኩም ክተዕብዩ እንተደሊኹም ነተ ፈተና ካልኣይ ንምውሳድ ግዜ ክህልወኩም ኣድላዪ እዩ።

ዝለዓለ ትምህርት(AL)ን ዝለዓለ ክእለት ዘለዎም(HC)ን መሰጋገሪ(Advanced Learner (AL) and Highly Capable (HC) Pathway)
ተመሳሳሊ ዕድመ ካብ ዘለዎም ደቂ ክፍሎም ፍልይ ዝበለ ናይ ምምሃርን ናይ ምርዳእን ክእለት ዘለዎምን ብወለዲ፣ብመምህራን፣ብኻልኦት ሰራሕተኛታት
ወይ ኣባል ማሕበረሰብ ተለልዮም ብወለዲ ናብ ናይ ብቕዓት መለክዒ ግምገማ ክሳተፉ ይግበሩ። ግልጋሎት ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ ኣካል ጉድኣት
ተምሃሮ(ክልተ ግዜ ፍሉያት ተምሃሮ)ን ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ተምሃሮን ወይ ካብ ኩሉ ማሕበራዊ ኢኮኖሚያዊ፣ዘርእን ባህልን ከጠቓልል ይኽእል።

ዝለዓለ ትምህርት(AL) ዝለዓለ ትምህርቲ ካብ ኪንደርጋርደን እስካብ 8ይ ክፍሊ ዝርከቡ ተምሃሮ ናይ ብቕዓት ምድብ እዩ። ጥቆማ ኣብ መጨረሻ ናይ
ትምህርቲ ዓመት ወይ ኣብ ሓጋይ ይካየድ።ናይ ብቕዓት ፈተና በብዓመቱ ኣብ ቆውዒ ይወሃብ።

ዝለዓለ ክእለት ዘለዎም(HC) መሰጋገሪ


ብኽልቲኡ ምንባብን ሒሳብን ትምህርትታት ዝለዓለ ትምህርቲ የቕርቡ።ብኹሎም ዓይነት ትምህርቲታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ደረጃ ንላዕሊ ውፅኢት
ንዘለዎም ተምሃሮ ብጣዕሚ ጠቓሚ እዩ።ብሒሳን ንኽልተ ዓመትን ብንባብ እስካብ ክልተ ዓመት ምቕዳም ብፅንዓት ዝተደገፈ ሞዴል ስለዝኾነ ብዝለዓለ
ፍጥነት ንዝመሃሩ ተምሃሮ ብጣዕሚ ውፅኢታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ።.

ምስ ስራሕ ዝተትሓሓዙ ትምህርቲ/ናይ ሞያን ቴክኒክን ትምህርቲ (CCL/CTE)( Career Connected Learning/Career and Technical
Education (CCL/CTE)
ምስ ስራሕ ዝተትሓሓዙ ትምህርቲ (CCL/CTE): ናይ CCL/ CTE ክፍልታት ወይ ሓደሓደ ዝተፈቐዱ ናይ CCL/ CTE ዘይኮኑ ኮርስታት ብምድህሳስን
ብምድላውን ክረዲት ከርክቡ ይኽእሉ እዮም። ንዝተፈቐዱ ኮርስታት ኦፊሴላዊ ናይ ዲስትሪክት ናይ ኮርስ ዝርዝር ይመልከቱ።
ክረዲት (Credit)
” ክረዲት እንታይ እዩ?” ክረዲት ብሓፈሻ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ናይ ትምህርቲ መስፈርቲ ዘማልኡ ምዃኖም ንምግምጋም ካብ
ዝጥቀሙሎም ቀዳሞት ሜላታት ሓደ እዩ። ክረዲት ተምሃሮ ሓደ ኮርስ ወይ ኣድላዪ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም እንትውድኡን እንትሓልፉን ይወሃብ።ናይ
ሲያትል ናይ ህዝቢ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ዲፕሎማ ንኽረኽቡ ክረዲታት ምውህላል የድልዮም።

ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲን ኣብኡ ንላዕልን ትልሚ (High School and Beyond Plan)
ዋሽንግተን ክልል ኩሎም ተምሃሮ ናይ ካልኣይ ብርክን ካብኡ ንላዕልን ትልሚ ንኸዳልው ይደሊ። ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርት፣ ናብ 8
ክፍሊ ዝኣትዉ ተምሃሮ ናይ 4ተ ዓመት ናይ ካልኣይ ብርኪ ኮርስ ትልሚ፣ረዙመ፣ድህረ ካልኣይ ብርኪ ትልሚ፣ናይ ስራሕን ኮሌጅን ትልሚ ሓዊሱ
ናይ 5ተ ዓመት ትልሚ ምድላው ከምዝጅምሩ ትፅቢት ይገብር።እቲ ተምሃራይ ናይ ካልኣይ ብርክን ካብኡ ንላዕልን ትልሚ እንተውፅእ እቲ ትልሚ
ምስ ግዜ ዝሕደስ ክኸውን ኣለዎ።ናይ ቤት ትምህርት ኣማኸርቲ፣ሰራሕተኛታት ወይ ወለዲ በቲ ክልል ዝተረጋገፀ መሳርሒ ንተምሃሮ ናይ ውልቆም
ትልሚ ንኸውፅኡ ይሕግዝዎም።

Naviance
Naviance፣ተምሃሮ ናይ ኮሎጃትን ናይ ስራሕ ጉዕዞታትን ንኽድህስሱ፣ምስ ሞየኦምን ውላቃዊ ባህሪኦም ብምዝማድ ክእለቶምን ተውህበኦምን
ንኽትንትኑን፣ኣብ ናይ ትምህርታዊ ትልምም ንምብፃሕ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ካፍቲ መንገዲ ንኸይወፁ ይኽእሎም።.

OSPI (ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ላዕለዋይ ተቖፃፃሪ ቤት ፅሕፈት)


ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ላዕለዋይ ተቆፃፀሪ ቤት ፅሕፈት (OSPI) ኣብ ዋሽንግተን ክልል ውሽጢ ዘለዉ k-12 ትምህርታት ብላዕሊ ዝቆፃፀር ድርጅት
እዩ::OSPI ካብ ሓደ ሚልየን ብላዕሊ ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ብምውካል ናይ ትምህርቲ ፕሮግራማት ንምምሕዳርን ናይ ትምህርቲ ምምሕያሽ
ንምግባር ምስ 295 ናይ ትምህርቲ ዲስትሪክታት ብሓባር ብምትሕብባር ይሰርሕ።

ውልቃዊ ጎደና(Personal Pathway)


ውልቃዊ ጎደና ብድልየት ተምሃራይን ብናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲን ኣብኡ ንላዕልን ትልሚ ብምልዓል ዝምረፁ ምስ ድህረ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ናይ
ስራህ ወይ ናይ ትምህርቲ ውፅኢት ዝተትሓሓዙ ኮርስታት እዮ። እዚኦም ንናይ ተምሃራይ ትምህርቲ ትኹረት ንምሃብ ዝተሓሰቡ ናይ ሞያን ቴክኒክን
ትምህርቲ ወይ ናይ ዓለም ቋንቋታት ክሓውስ ይኽእል እዩ።
19
ራኒግ ስታርት(Running Start)
እንተነኣሰ ንናይ 11 ክፍሊ እኹል ክረዲት ዝረኸቡ ናይ ካልኣይ ብርኪ ተምሃሮ ብ ናይ ማሕበረብ ኮሌጅ ዝወሃብ መማረፂ ኮርስ እዩ።.

SAT ናይ ኮሌጅ መእተዊ ፈተና


( ኣብ ላዕሊ ዘሎ ናይ ACT ን SAT ናይ ኮሌጅ መእተዊ ፈተናታት ይመልከቱ)

Seal of Biliteracy

ናይ ዓለም ቋንቋ ክረዲት ፈተና(እስካብ 4 ክረዲታት ዘርክብ)፣ናብ ዝለዓለ ምደባ(AP) ወይ ዓለም ለኸ ባካሎሬት(IB)ናይ ቋንቋ ፈተናታት ብምሕላፍ ናይ
ቋንቋ ክእለቶም ዘርአዩ ተመረቕቲ the State Seal of Biliteracy ይረኽቡ። እቲ Seal ኣብዚ ናይ ሕዚ ዓለም እንግሊዝኛ ቋንቋ
ምዝራብ፣ምንባብ፣ምፅሓፍን እንተነኣሰ ካሊእ ሓደ ቋንቋ ምጥቃም ርብሕኡ ንምርኣይ እዩ።

ናይ ግልጋሎት ትምህርቲ(Service Learning)


ናይ ግልጋሎት ትምህርቲ፣ትምህርቲ(መምሃሪ ክፍልን ማሕበረሰብን)ምስቲ ትኽክለኛ ዓለም ዘራኽብን ናይ ማሕበረስብ ድልየት ዘማልእን ሜላ ምምሃር
ምስትምሃር እዩ።ናይ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ቅድሚ ምምራቖም ን 60 ሰዓታት ዝኣክል ናይ ግልጋሎት ትምህርቲ ክወስዱ
ኣለዎም።ተምሃሮ ብተደጋግሚ ናይ በጎ ፍቓድ ስራሕ ግልጋሎት ይህቡ እዮም።እዙይ እውን ኣብ ስራሕ ልምዶም የስፍርዎ እዮም።

ሶርሰ(The Source)
ሶርስ ቤተሰብን ተምሃሮን፣ናይ ተምሃሮ ፕሮግራም ንምርኣይ፣ነጥቢ ንምክትታል፣ኣቴንዳንስ ንምክትታል፣ዝጎዶሎ ኣሳይመንታት ንምርኣይ፣ናብ መምህራን
ኢሜይል ምንምግባር፣ብሓደሓደ ኩነታት መፃኢ ኣሳይመንት ንምርኣይ ዘኽእል ናይ ድህረገፅ ፀጋ እዩ። ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ቤተሰብን
ተምሃሮን መረዳእተኦም ብተንቀሳቃሲ ስልኮም ብቐሊሉ ንምርኣይ ዝሕግዞም መተግበሪ ኣለዎ።

ስኩሎጂ(Schoology)
ሓደሓደ መምህራን ገዛ ዕዮታት፣መልእኽቲታት፣ምድላዋትን፣ካላንደን ንምልጣፍ ስኩሎጂ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።ብናይ ሶርስ ኣካውንትኹም ናብ
ስኩሎጂ ክትኣትዉ ትኽእሉ ኢኹም።

ስማርተር ባላንሰድ ምዘናታት(Smarter Balanced Assessments (SBA))


For updated information go to: : https://www.seattleschools.org/cms/One.aspx?portalId=627&pageId=18711
ተምሃሮ ካብ ካልኣይ ብርኪ ንምምራቕ ናይ ስማርተር ባላንስድ ምዘናታት ሒሳብን ቋንቋ እንግሊዝኛን ወይ ካሊእ ዝተፈቐደ መማረፂ ፈተና ምሕላፍ
ኣለዎም።ካብ 2019-20 ጀሚሩ ተምሃሮ ናይ ሳይንስ ፈተና እውን ክሓልፉ ኣለዎም።ዋሽንግተን ክልል ኩሎም ናይ ዋሽንግተን ናይ ትምህርቲ ዲስሪክታት
ናይ ስማርተር ባላንስድ ምዘናታት(ፈተና)ኣብ ፅድያ ክህባ ይደሊ።እዞም ፈተናታት:።
o ተምሃር ክንደይ ዝኣክል ንኮሌጅን ንስራሕን ድሉዋት ምዃኖም ይልክዑ::
o መምህራንን ዲስትሪክትን ተወሳኺ ሓገዝ ዘድልዮም ተምሃሮ ንምፍላይ ይሕግዞም።
o ካብ 3ይ - 8ይ ክፍልን ን 10 ክፍሊን ተማሃሮን ይወሃብ::
o ኣብ 11ን 12ን ክፍሊ ዘለዉ ተምሃሮ ናይ መመረቒ መስፈርቲ ንምምላእ ኣድላዪ እንተኾይኑ ናይ ስማርተር ባላንሰድ ምዘናታት(ፈተናታት)ክወስዱ
ይኽእሉ እዮም።.

ናይ ዓለም ቋንቋ ክረዲታት(World Language Credits)


ፅድያ 2011 ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ብቕዓት ንምግምጋምን ተምሃሮ ብናይ ኣፍ መኽፈቲ ቋንቋኦም፣ብቕዓት ትኹረት ዝገበረ
ክረዲት ንምሃብን ፖሊሲን ኣካይዳን ኣፅዲቑ እዩ።ውላድኩም ካብ እንግሊዝኛ ወፃኢ ካሊእ ቋንቋ ምዝራብ፣ምንባብን ምፅሓፍን
ዝኽእል(ትኽእል)እንተኾይኑ(እንተኾይና)፣ኣብዚ ፕሮግራም ክሳተፍ(ክትሳተፍ)ይኽእል እዩ(ትኽእል እያ)።ተምሃሮ ካብ 1-4 ናይ ካልኣይ ብርኪ ናይ ዓለም
ቋንቋ ክረዲት ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም።

ናብ ናይ 4ተ ዓመት ኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ንምእታው ትልሚ ዘለዎም ተምሃሮ ናይ ዓለም ቋንቋ (ከም ስፓኒሽ፣ ፈረንሣይኛ፣ ወዘተ ዝበሉ)እንተነኣሰ ንኽልተ
ዓመታት ንኽከታተሉ ይምከር።

20

You might also like