Professional Documents
Culture Documents
Family Toolkit Tigrigna ADA
Family Toolkit Tigrigna ADA
ካብ 8ይ ናይ 9ይ ክፍሊ ስግግርን
ካብኡ ንላዕልን ናይ ቤተሰብ መምርሒ
April 5, 2019
ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ሕድሕድ ተምሃራይ ጉዕዞ ናይ ምርኣይ ግዴታ ኣለዎ።ዘርኢ፣ፆታ፣ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን
ኩነታት፣ብቕዓት ቋንቋ፣ሜላ አመሃህራ ወይ ናይ ኣካል ጉድኣት እንተይፈለየ ንኹሎም ቆልዑ ዝኾነ ዘድልዮም ነገራት ምምላእ ናይና
ሓላፍነት እዩ ኢልና ንኣምን።ቤተስብ ኣብዚ ስራሕ ወስንቲ መሻርኽትና እዮም።
ውላድኩም ዝተሳኸዐሉ(ላ)ንኽኸውን ብጣዕሚ ጠቐምቲ ናይ ዝኾኑ ነገራት ዝርዝር ንናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ ይጠይቑ። እዚኣቶም
ወለዲንመዕበይትን ሕቶታት ወይ ስግኣታት እንትህልዎም ከዘራርብዎም ዝኽእሉ ፀጋታት እዮም።
❖ ኣማኸርቲ
❖ መምህራን
❖ ሓገዝቲ
2
Find out about important events at your child’s school TIGRIGNA
ናይቲ ስርዓተ ትምህርቲ ምድላውን ኩሉ ሓበሬታትን ብደንቢ ንኽርድአኩም፣ኣድላዪ እንተኾይኑ፣ኣስተርጓሚ ክትጥይቑ ትኽእሉ
ኢኹም።
ናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ ንስኹም ኣብ ቤት ትምህርቲ ውሽጢ ዘለዉ ፀጋታት ንክትጥፈልጡን ናይ ካልኣይ ብርኪ ተምሃሮ
ብኸመይ ምሕጋዝ ከምትኽእሉን ንኽትፈልጡ ዝሕግዙ ካልኦት ኣድለይቲ ምድላዋት ክህልዎ እዩ።
3
Requesting an Interpreter and English Language Learners TIGRIGNA
ኣስተርጓሚ ምጥያቕ:
For updated information go to: https://www.seattleschools.org/departments/english_language_learners
ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ኩሎም ቤተሰብ ኣብ ናይ ውላዶም ትምህርቲን ናይ ቤት ትምህርቲ ምድላዋትን
ንኽሳተፉ የበረታትዕ።እዚ ስራሕ ብዘይ ናታኩም ሓገዝ ክንሰርሖ ኣይንኽልን!!
ቋንቋ እንግሊዝኛ ተምሃሮን ዓለም ለኸ ፕሮግራማትን ዲፓርትመንት ኣብ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ውሽጢ ዝርከቡ ቤተሰብ
ብሙሉኦም ዝለዓለ በዝሒ ተዛረብቲ ብዘለውዎም ትሽዓተ ቋንቋታት ናይ ትርጉም ግልጋሎታት የቕርብ። አማርኛ፣ አረብኛ፣ ቻይንኛ፣
ኦሮሞኛ፣ ስፓኒሽኛ፣ ሶማሊኛ፣ ታጋሎግኛ፣ ትግሪኛ እና ቬትናምኛ ::
ካልኦት ቋንቋታት ን ናይ ክልተ ቋንቋ ተዛረብቲ ቤተሰብ መተሓባባሪ ብምጥያቕ ምርካብ ይክኣል።
በይዘኦም ናብ: 206-252-0072 ይደውሉ ወይ ናብ: languages@seattleschools.org ኢሜይል ይግበሩ::
ኣስቶርጓሚ እንተደልዮም ንናይ ውላዶም መምህር፣ኣማኻሪ፣ርእሰ መምህር፣ወይ ኬዝ ማናጀር(ኣይኢፒ ንዘለዎም ተምሃሮ) የፍልጡ።
ስድራ ውላዶም ናይገዘኦም ቋንቋ ንኽዕብዩን ንኽሕልዉን ዓብዪ ድጋፍ ይገብሩ። ካብ ሓደ ቋንቋ ብላዕሊ ፍልጠት ምህላው ካፍቶም
ብዙሓት ጥቕምታት ማእኸል ሓደ ናይ ውላድኩም ናይ ፈጠራ ኣተሓሳስባን ናይ ሽግር ኣፈታትሕ ክእለታትን ከዕቢ ይኽእል።
ኣብ ፅድያ 2011 ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ቋንቋ ብቕዓት ንምግምጋምን ተምሃሮ ብናይ ኣፍ መኽፈቲ ቋንቋኦም ብቕዓት
ትኹረት ዝገበረ ክረዲት ንምሃብን ፖሊሲን ኣካይዳን ኣፅዲቑ እዩ።ውላድኩም ካብ እንግሊዝኛ ወፃኢ ካሊእ ቋንቋ ምዝራብ፣ምንባብን
ምፅሓፍን ዝኽእል(ትኽእል)እንተኾይኑ(እንተኾይና)፣ኣብዚ ፕሮግራም ክሳተፍ(ክትሳተፍ)ይኽእል እዩ(ትኽእል እያ)። ተምሃሮ ካብ 1-4 ናይ
ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ዓለም ቋንቋ ክረዲት ክረኽቡ ይኽእሉ።እዞም ክረዲታት ንናይ ካልኣይ ብርኪ መመረቒ መማልእቲ ወይ
ንናይ 4 ዓመት ናይ ዓለም(ናይ ወፃኢ ዓዲ)ቋንቋታት ኮሌጅ ናይ መእተዊ መስፈርቲ ክሕግዙ ይኽእሉ።
ናይ ዓለም ቋንቋ ክረዲት ፈተና(እስካብ4 ክረዲታት ዘርክብ)፣ናብ ዝለዓለ ምደባ(AP) ወይ ዓለም ለኸ ባካሎሬት(IB)ናይ ቋንቋ ፈተናታት
ብምሕላፍ ናይ ቋንቋ ክእለቶም ዘርአዩ ተመረቕቲ the State Seal of Biliteracy ይረኽቡ። እቲ Seal ኣብዚ ናይ ሕዚ ዓለም እንግሊዝኛ
ቋንቋ ምዝራብ፣ምንባብን፣ምፅሓፍን እንተነኣሰ ካሊእ ሓደ ቋንቋ ምጥቃም ርብሕኡ ንምርኣይ እዩ።
ናይ ዓለም ቋንቋ ክሬዲት መማረፂ ናይ ካሊእ ቋንቋ ፍልጠት ዘለዎም ተምሃሮ ኣፍልጦ ይህብ። ብናይ ኣፍ መኽፈቲኡ ቋንቋ ክረዲት ዝረኸበ
ተምሃርይ ከምዙይ ኢሉ ነይሩ፣”ኣብ ናይ ዓለም ቋንቋ ክረዲት ምርካብ ቋንቋይን ህዝበይን የኽብረለይ እዩ።”ኣዎንታዊ መንነት ይሃንፅ እዩ።
ብዛዕባ ናይ ዓለም ቋንቋ ክሬዲት ፕሮግራም ተወሳኺ ንምፍላጥ ናይ ውላድኩም ኣማኻሪ የዘራርቡ።
4
ን ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምረቓ ዘድለይቲ ነገራት ዝርዝር High School Graduation Requirements Checklist TIGRIGNA
ካብ 2021 ካብኡ ንላዕልን ናይትምህርቲ ዓመት ዝመሃሩ ተምሃሮ ንኽምረቑ 24 ክረዲታት ክረኽቡ ኣለዎም። ኣብ ሕድሕድ ሰሚስተር 6 ኮርስታት ዝወሰደ ተምሃራይ ኣብ
ሰሚስተር 3 ክረዲታት ይረክብ፣ጠቕላላ 6 ክረዲታት ኣብ ዓመት ።ስለዚህ ኣብ ሕድሕድ ዓመት ሙሉእ 6 ክፍሊታት ዝወሰደ ተምሃርይ ብ 24 ክረዲት ይምረቕ።( በይዘኦም
ናይ ቃላት መግሊፂታት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰነድ ይርኣዩ)።
ኮርስታት ክረዲታት ዝተወደአ ናይ 4 ዓመት ኮሌጅ ተወስኽቲ ናይ ካልኣይ ብርኪ ዝተወደአ
መስፈርትታት
Fine Arts .50 Fine Arts-2 ን 4ዓመት ኮሌጅ ዝነኣሰ
Fine Arts .50 credits. 1 can ናይ መእተዊ መለክዒ ናይ ካልኣይ ብርኪን ካብኡ ንላዕልን
be personal ኣብዚ ዝስዕብ ትልሚ
Fine Arts .50 pathway. ይመልከቱ: ናይ ግልጋሎት ትምህርቲ 60 ሰዓታት
Fine Arts .50 Ready Set Grad ዝተፈፀሙ ሰዓታት_______
Language Arts 9A .50 Language (Washington State ተምሃሮ ብክልል ዝተወሰኑ ፈተናታት
Language Arts 9B .50 Arts - 4 Achievement ወይ ከም መማረፂ ዝፀደቑ ናይ
credits. Council) እንግሊዝኛን ሒሳብን ፈተና ክወስዱ
Language Arts 10A .50 ካብ 20219-20 ጀሚሩ ናይ ሳይንስ
Language Arts 10B .50 ሓደ ሓደ ኮሌጃት
ተወሰኽቲ መስፈርትታት ፈተና ምሕላፍ እውን ሓደ መለክዒ እ
Language Arts 11A .50 ኣለዎም።
Language Arts 11B .50
Language Arts 12A .50
Language Arts 12B .50
Algebra1A or Integr Math .50 Mathematics 3 ናይ ሒሳብ ክረዲትን ተምሃሮ Algebra I ወይ Integrated Math 1 ፣ ን
Algebra 1B or Integr Math .50 -3 credits ናይ ሲንየር ዓመት Geometry ወይ Integrated Math 2 ፣ Algebra
Geom. 1Aor Integr Math2
ኳንቲቴቲቭ ሒሳብን 2 ወይ ብ OSPI ዝፀደቑ ተመጣጠንቲ ዝኾነ ብናይ
.50
Geom. 1Bor Integr Math2 .50 ስራሕን ቴክኒክን ትምህርቲ ኮርስታት ክረዲት ክረኽቡ
ኣለዎም።
Algeb 2Aor CTE opt *** .50
Algeb 2Bor CTE opt *** .50
Science with a lab .50 Science – 3 * ተምሃሮ Phys A/Chem A ን Biology A and B
Science with a lab .50 credits. ከጠናቕቑ ኣለዎም። ካብ ሰለስቲኦም ናይ ሳይንስ
Science with a lab .50 ክረዲታት እንተንእስ ክልተ ኣብ ሳይንስ ላባራቶሪ
ክኸውን ኣለዎ ፣ እቲ ሳልሳይ ክረዲት ብናይ ተምሃሮ
Science with a lab .50
ድልየት ን ናይ CTE ሳይንስ ተመጣጣኒ ኮርሰ ዘካተተ
Science or CTE option* .50 ክምረፅ ይኽእል እዩ።
Science or CTE option* .50
Physical Education (PE) .50 Health and ናይ PE ብቕዓት ፈተና ኣብ ክፍሊ
Physical Education .50 PE – 2 ውሽጢ ይካየድ:: እቲ ተምሃራይ ዋላ
Physical Education .50 credits PE እንተገደፎ፣ሕዚ እውን እቲ ፈተና
Health .50 ካሓልፍ ኣለዎ።
Career & Tech Ed (CTE) .50 CTE – 1 ንዝተፈቐዱ ኮርስታት ኦፊሴላዊ ናይ ዲስትሪክት ናይ
Career & Tech Ed (CTE) .50 credit ኮርስ ዝርዝር ይመልከቱ።
WA State History **** .50 (SPS) Social ****WA State History
World History 1 .50 Studies – 3 መብዛሕቱ ግዜ ኣብ ማእኸላይ ብርኪ
World History 2 .50 credits. ቤት ትምህርቲ ይወሃብ:: ተምሃሮ ኣብ
ወይ ክፍሊ ብ OSPI (ዋሽንግተን
World History 3 .50
ስቴት) ተቐባልነት ዘለዎ ናይ ሲቪክስ
US History 11A .50
ፍተና ከጠናቕቑ ኣለዎም።
US History 11B .50
American Govt .50
WL or Personal Path** .50 WL or 2-3 years of one **Personal Pathway may ናይ ዓለም
WL or Personal Path** .50 Personal world language ቋንቋ(WL)፣ሞያን ቴክኒክን ትምህርቲ(CTE)፣ስነ ጥበብ፣
WL or Personal Path** .50 Pathways-2 ወዘተ -ምስ ናይ ስራሕ ትልሚ ዝተተሓሓዙ ኮርስታት
WL or Personal Path** .50 credits ከጠቓልል ይኽእል እዩ።
Electives as needed .50
(4 credits) ea
ሓደሓደ ናይ 4 ዓመት ኮሌጃት እንተነኣሰ
ጠቅላላ መለክዕታት 24 ክረዲታት 2(c-ማእኸላይ) Grade Point Average (GPA ) ይጥይቑ እዮም።
ዝኾነ ተምሃርይ ኮርስታት ምሕላፍን ካብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህቲ ምምራቕን ይኽእል እዩ።ዝተወስኑ ኣብ 9 ይ ክፍሊ ከመይ ገይርካ ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተምሃርይ ከምዝኽ
ወን ይመሃሩ። ብ ናይ ወለዶምን ናይ ቤት ትምህቲ ሰራሕተኛን ድጋፍን ናይ 9 ይ ክፍሊ ተምሃሮ ናይ ምምሃር ክእለቶም ምምሕያሽን ናይ ምምራቕ ዕድሎም ምዕባይን እከኣል
እዩ።https://www.seattleschools.org/cms/One.aspx?portalId=627&pageId=18711
5
9th Grade is the most important year in high school TIGRIGNA
6
9th Grade is the most important year in high school, page 2 TIGRIGNA
ናይ ውላድኩም ናይ ምርቓ መለክዕታት ተምሃሮ ኣብ መጀመርያ ክፍሊ ምውሳዶም ኩሎም ክረዲታት እንተረኺቦም ኣብ 11ን 12 ን ክፍሊ ን4 ዓመት
ፍለጡ። ኣብቲ ናይ ዲስትሪክት ኮሌጅ ንምድላው ዝሕግዙ ላዕለዎት ኮርስታት ንኽወስዱ ግዜ ይህልዎ::ኮይኑ ግና ኣድላዪ እንተኾይኑ ተምሃሮ
ድህረገፅ ንዝወደቕዎ ኮርስ ከመሓይሽሉ ይኽእሉ እዮም።ሓደ ሓደ ኣብያተ ትምህርቲ ቅድሚ/ድሕሪ
www.seattleschools.org ትምህርቲ፣ኦንላይን፣ወይ ኣብ ሳመር ተምሃሮ ክረዲት መሊሶም ዝወስድሉ ዕድላት ይህቡ እዮም።እንድሕር
ክርከቡ ይኽእሉ እዮም። ክሊክ ውላድኩም ክርዲት መሊሱ ዝወስድ ኮይኑ እሞ ዝበለፀ ሓበሬታ እንተደሊኹም ናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ
“ኣካዳሚክስ ፣” ካብኡ “ካልኣይ ኣዘራርቡ።
ብርኪ፣ኮሌጅ፣ስራሕ” ፣ቀፂልኩም ወለዲ ብኸመይ ክሕግዙ ይኽእሉ
“ናይ መመረቒ መለክዒታት::” ወይ ናይ
መመረቒ መፅሄት ንምርካብ ናይ ➢ ተምሃርኹም በብዕለቱ ገዝ ዕዮኦም ይሰርሑ ምህላዎም የረጋግፁ::
ውላድኩም መማኸሪ ምጥያቕ:: ➢ ምስ ውላድኩም ኮይንኩም ትልሚ ኣዳልዉ እሞ ከመይ ይኸዱ ምህላዎም ሕትትዎም::
እውነታ ➢ ተምሃሮኹም ሓገዝ ኣብዝደልዩሉ እዋን ንመምህራኖም ንኽጥይቑ የበርታትዕዎም።
➢ ናይ ሕድሕድ ናይ ውላድኩም መምህራን ናይ ነጥቢ ኣወሃህባ ፖሊሲኦም ምፍላጥኩም ርግፀኛ
ካብ ኮሌጅ ዝምረቑ ሰባት ኣብ ሂወቶም ይኹኑ።
ውሽጢ ስራሕ ናይ ምስኣን ዕድሎም ➢ ቅዳሕ ናይ ውላድኩም ናይ ካልኣይ ብርክን ልዕሊኡን ትልሚ ንምርኣይ ቤት ትምህርትኹም ሕተቱ።
ብጣዕሚ ዝተሓተ እዩ።.
➢ ተምሃሮኹም ድልየቶም ንምፍላጥን ዝለዓለ ትምህርቲ ንምውሳድን ምርጨኦም ንኽጥቀሙ
ምብርትታዕ::
7
ፀጋታት (The Source) TIGRIGNA
ሶርስ ንስኹምን ውላድኩምን ኣቴንዳንስ፣ኣብ ኮርሶም ዘርእዎ ምዕባለታትን፣ዝጎደሉ ኣሳይመንታትን ንምክትታል ዘኽእል ናይ ዌብ ፀጋ እዩ።.
ተምሃሮ ናይ ባዕሎም ናይ ሶርስ ኣካውት ክህልዎም ይኽእል እዩ።ወለዲ/መዕበይቲ ናይ ደቆም ምዕባለ ንምክትታልን ንምድጋፍን ዝተፈለየ ናይ ሶርስ
ኣካውንት ክህልዎም ይኽእል እዩ።ወለዲ/ መዕበይቲ ሕድሕድ ናይ ደቅኹም ሓበሬታ ንምርኣይ ዘኽእል ሓደ ኣካውንት ክህልወኩም ይኽእል።
ሶርስ እዞም ዝስዕቡ ንኽትገብሩ ይኽእለኩም:
ናይ ውላድኩም ናይ መደበኛ
ግምገማታት(ፈተናታት)ውፅኢታት ንምርኣይ ኣብዚኣ ዝጎደሉ ኣሳይመንታት ንምርኣይ ኣብዚኣ ይጠውቑ::
ይጠውቑ::
8
The SOURCE Account Set Up TIGRIGNA
9
Homework Help, page 1 TIGRIGNA
ወለዲ ናይ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ዕዮ ገዘኦም ንኽውድኡ ብኸመይ ክሕግዝዎም ይኽእሉ
መፅናዕቲታት ገዛ ዕዮ ካብ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ወይ ኣብ ማእኸላይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ብዝበለፀ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት
ትምህርቲ ረብሓ ከምዘለዎ ይገልፁ። ኣብ ገዛ ዕዮ ናይ ወለዲ ተሳትፎ ዝለዓለ ኣዎንታዊ ፅላዋ ኣለዉ ዝብሉ ውሑዳት ሕቶታት ኣለዉ።
ወለዲ ፣መንእሰያት ዕዮ ገዛ እንትቃወሙ ወይ ነቲ ዕዮ ንምስራሕ ዓቕሚ እንትንእሶም፣ከጨንቕ ዎም እኳ እንተዘይከኣሉ ገዛዕዮ
ንምውዳእ ዝዓግቱ መሰናኽላት ኣብ ምውጋድ ግን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።
ወለዲ ብዛዕባ ኣድላይነት ዕዮ ገዛ ግልፂ ዝኾነ መልእኽቲን ዝተወሰኑ ናይ ድጋፍ ሜላታትን ብምሃብ ዕዮ ገዘኦም ብምሕጋዝ መንእሰያት
ንኽሳኸዐሎም ክግብሩ ይኽእሉ እዮም። ወለዲ ገዛ ዕዮ ብዝምልከት ንደቆም ከመሓላልፍሎም ዝኽእሉ ሰለስቲ ቁልፊ መልእኽታት
ኣለዉ።
ዕዮ ገዛ ናይ ትምህርቲ ኣድላዪ ክፍሊ እዩ።መንእሰያት ዕዮ ገዘኦም ክውድኡን ብግዚኡ ከርክቡን ትፅቢት ይግበር። መንእሰያት ብዛዕባ
ገዛ ዕዮኦም ሓላፍነት ክወስዱን ናይ ግዜ ምምሕዳር ክእለትን ክህልዎም ምግባር።
ከከም ኣድላይነቱ ናይ ወላዲ ወይ ናይ ካልእ ድጋፍ ይቐርብ::ሓደሓደ መንእሰያት ብገዛ ዕዮ ብጣዕሚ ይሽገሩ እዮም፣ምኽንያቱ ከቢድ
ኮይኑ ስለዝረኽብዎ ወይ ብባዕሎም ብኸመይ ከምዝሰርሕዎ ስለዘይፈልጡ እዩ።ኮይኑ ግና ወለዲ መበረታትዒ እንትህብዎም ወይ እን
ትሽገሩ ሓገዝ ምርካብ ከምዝኽእሉ እንተርጋግፅሎም መንእሰያት ተስፋ ናይ ሙቕራፅ ወይ ናይ ምብስጫው ዕድሎም ትሑት ይኸውን።
መንእሰያት ዘይተረደኦም ወይ ዝተሸገሩሉ ኣብ ምፍላይ ክትሕግዙ ትኽእሉ።መንእሰያት ንስኹም ካብቲ ትህብዎም ናይ ዕዮ ገዛ ሓገዝ
ንላዕሊ ዝደልዩ እንተኾይኖም፣ንሶም ወይ ንስኹም ነቲ መምህር ምዝርራብ ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ተወሳኺ ዝበለፀ ሓገዝ ንምርካብ
ኣማኻሪ ምዝርራብ ትኽእሉ ኢኹም። ውላድኩም ምስ መምህሮም ንምምይያጥ ምድላው ንኽገብሩ ንዓኹም ሕቶታት ብምሕታት
ልምምድ ክገብሩ ይኽእሉ እዮ።ናይቶም ተምሃሮ ምልዓዓል ትሑት እንተኾይኑ፣ወለዲ ብቐጥታ ንመምህራን ከዘራርቡ ኣለዎም።
ብጣዕሚ ዕዉታት ዝኾኑ ተምሃሮን ብልህታት ወለዲን እንኳን ካብ ገዛ ወፃኢ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርከብ ናይ ገዛ ዕዮ ማእኸል ወይ
ቱቶር ተጠቀምቲ እዮም።
ወለዲ ንውላዶም ዕዮ ገዛ ኣይሰርሕሎምን::እዚ መልእኽቲ ናይ ወለዲ ግደ ናይቶም ተምሃሮ ስራሕ ምስራሕ እንተኮነ ንዓዓቶም
ንምብርትታዕን ስረሖም ንኽሰርሑ ምሕጋዝን ምዃኑ ንመንእሰያት ንምንጋር እዩ።
10
Homework Help, page 2 TIGRIGNA
ዕዮ ገዛ ናይምሕጋዝ ሜላታት
ካብዞም መልእኽታት ወፃኢ ፣ወለዲ ንመንእሰያት ገዛ ዕዮኦም ክሕግዙሎም ዝኽእሉሉ ጠቐምቲ መንገዲታት ኣለዉ:
ግልፂ ዝኾነ ልሙድ ናይ ዕዮ ገዛ ትልሚ ምውፃእ:: ምሥዝተለመዱ ተግባራት ዝተትሓሓዙ ስራሕቲ ምስራሕ ብጣዕሚ ቀሊል
እዩ።ወለዲ ዕዮ ገዛ ንምውዳእ በብመዓልቱ ምስራሕ ነቲ ዕዮ ገዛ ብዝተቀላጠፈ መንገዲ ንምስራሕ ጥራሕ ዘኮነስ፣ንኮለጅን ስራሕን
ሓዊስካ ኣብ ቀፃላይ ሂወቶም ተግባራዊ ክገብርዎ ዝኽእሉ ስርዓታት የዕብየሎም እዩ።ዕዮ ገዛ ንምስራሕ ዝፍፀሙ ተግባራት እዞም
ዝስዕቡ እዮም።:
• ውላድኩም ውፅኢታዊ ዝኾነ ናይ መምሃሪ ቦታ ንኽፈጥር ይሓግዙ፣ኩሎም ተምሃሮ ዝምሃሩን ዘፅንዑን ብተመሳሳሊ መንገዲ
ኣይኮነን።ብሓፈሻ ሓደ ተምሃራይ ካብ ረብሻን ምቁርራፅን ነፃ ዝኾነ፣ፅቡቕ ብርሃን ዘለዎን ምቹው ወንበር ኣብ ዘለዎ ቦታን
ዝለዓለ ምልዓዓል ከርእን ኣብ ፅንዓት ከትኩርን ይኽእል እዩ።.
• መንእሰያት ዝተዋቐረ ስርዓት ንኽሃንፁን በቲ ዝሃነፅዎ ንኽፀንሑን ይሓግዝዎም።መንእሰያት ናይ ስራሕ ቦቶኦም ንኸፅርዩን ዕዮ
ገዝኦም ንምክትታል ዘኽእል ስርዓት ንኽህልዎምን ይሓጋዝዎም።
11
Some Ways for Parents/Guardians to Engage with Their Students TIGRIGNA
TIGRIGNA
• ውላድኩም ንተግባሮም ተጠየቕቲ ንኽኾኑ ግበርዎም:: እዙይ ማለት ሕድሕድ ኣባል ቤተሰብ ንዝገብሮ ተግባር ተጠያቒ እዩ
ማለት እዩ፣ስለዚህ ሕድሕድ ሕግን ደንብን ስነምግባር ክኽተል ትፅቢት ይግበረሉ።ደቅኹም ተጠየቕቲ ናይ ምግባር ናይ
መጀመርያ ስጉምቲ ንስኹም ካብኦም እትፅበይዎ ነገር ግልፂ ምግባር እዩ።
• ውላድኩም ብዛዕባ ትምህርታዊ ትልሞምን ናይ ስራሕ ድልየቶም ይሕተትዎም።ብዛዕባ ናይ ኾሌጅን ስራሕን ዕድላት
መረዳእታታ ብምትእኽኻብ ሓገዝ ይግበሩ።.
• ውላድኩም ካብ ምንባብ ዝተረኸቡ ትርጉሞም ዘይፈልጥዎም 5ቃላት ክመርፁ ብምግባር ሕድሕድ ቃል ኣብ ሙሉእ ሓሳብ
ብምእታው እንደገና ክንብብዎም ይግበሩ።ኣብ ሕድሕድ ሙሉእ ሓስብ ብኸመይ ኣብ ጥቕሚ ከምዝወዓሉ መሰረት ብምግባር
ናይ ሕድሕድ ቃላት ትርጉም ተዘራረቡ።.
• ናይ ሕብረተሰብ ወይ ናይ ሳይንስ መፅሓፍ ምንባብ፣ውላድኩም ነቲ ፅሑፍ ንምርዳእ ኣድለቲ ዝኾኑ ቃላት ንከውፅኡ
ምሕጋዝ።ናይ ባዕሎም ናይ ትሕዝቶ መዝገበ ቃላት እንተዳልዉ ሓፀርቲ መግለፂታት ከውስኹሉ ይኽእሉ እዮም።
ካብ the 2014 Seattle Public Schools’ Family Literacy, Math, & Science Toolkits
that were developed by the District’s Literacy, Math, and Science coaches and Family Engagement Office ዝተወሰደ::
12
Most Frequently Asked Questions of School Counselors TIGRIGNA
ተምሃራየ ካፍቶም ዓይነታት ትምህርቲ ብሓዲኡ ዘይሓለፈ እንተኾይኑ፣ናይ ሳመር ትምህርቲ ወይ መሊሱ ክረዲት ምርካብ ኣድላዪ ድዩ?
መልሲ: እዙይ በቲ ዓይነት ኮርሲ የውሰን።ምስናይ ውላድኩም ኣማኻሪ ምዝርራብ ብጣዕሚ ወሳኒ እዩ።
ብዛዕባ ውላድኩም ስግኣት እንተልይኩም ወይ ኣብ ውላድኩም ለውጢ እንተሪእኹም እሞ እቲ ለውጢ ንምንታይ ከምዝኾነ ዘይትፈልጥዎ
እንተኾይንኩም ምስ ናይ ቤተሰብኩም ዶክተር ተዘራረቡ።ብተውሳኺ፣ናይ መንእሰያት ጥዕና ማእኸል፣ናይ ቤት ትምህርቲ ሓኪም፣ወይ ናይ
ውላድኩም ናይ ቤት ትምህርቲ ኣማኻሪ ምዝርራብ ትኽእሉ።
ኣጠቓላሊ ስግኣት እንተልይኩም እሞ ናብ መን ከምትድውሉ ዘይትፈልጡ እንተኾይንኩም፣በይዛኹም ንናይ ውላድኩም ቤት ትምህርቲ ኣማኻሪ
ይደውሉ።
ካብ Seattle Public School’s Ballard High School “Welcome to 9th Grade Parent Orientation” Packet ዝተወሰደ
13
TIGRIGNA
ናይ ተምሃሮ ጥቕምታት
Naviance ተምሃሮ ድሕሪ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቶም ነዞም ዝስዕቡ ዕድላት ብምሃብ ንህይወቶም ዝኸውን ትልሚ ንኸውፅኡ
የኽእሎም።
• ናይ ኮሌጃት ዕድላትን ናይ ስራሕ መስክታትን ምድህሳስ
• ናይ 4 ዓመት ኮርስ ትልሚ ምድላውን ንኻልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ምረቓ ክትትል ምግባርን
• ስኮላር ሽፕ ሓዊስካ ናይ ኮሌጅ ናይ ገንዘብ መርከቢ መማረፂታት ምግንዛብ
• ዝስማማዕ ኮለጃትን፣ናይ ኮሌጅን ስራሕን ዘርፍታት ምልላይ
• ረዙመ፣ናይ ትምህርቲ መረዳእታን ናይ መምህራን ድጋፍን ሓዊስካ ንስራሕን ኮሌጅን ንምምልካት ዝሕግዙ መረዳእታታት ምድላው
ናይ ቤተሰብ ጥቕምታት
Naviance ወለዲ ተምሃርኦም ድሕሪ ካብ ካልኣይ ብርኪ ምምራቕም ነዞም ዝስዕቡ ዕድላት ብምሃብ ንህይወቶም ዝኸውን ትልሚ
ንኸውፅኡ የኽእሎም:
• ናይ ኮሌጅ ን ስራሕን ዕድላት ምስ ተምሃራይካ ምድላይ
• ተምሃሮ ኣብ ናይ ኮሌጅን ስራሕን ከይዲ ትልሚ በዓል ዋና ንኽኾኑ ምሕጋዝ
• ተምሃሮ ጥንካረኦም፣ድልየቶም ትልሞምን ንኽፍትሹ ምሕጋዝ
• ስኮላርሽፕ ምድላይን ናይ ገንዘብ ድጋፍ ሓበሬታን ሓዊስካ ናይ ኮሌጅ ገንዘብ መርከቢ መማረፂታት ምፍታሽ
• ብጣዕሚ ኣድለይቲ ዝኾኑ መዓልትታት ምክትታል
14
Supporting 9th Grade Students who Receive Special Education Services TIGRIGNA
መበገሲ በኾራ ትምህርቲ ምርኣይን ምፍታሕን ብጣዕሚ ኣድላዪ እዩ። ብዙሕ በኾራታት(ልዕሊ10% ናይ ትምህርቲ መዓልትታት ምትራፍ)ናይ
ትምህርቲ ምውዳቕ ከምዘስዕብ ተፈሊጡ እዩ። ናይ ተምሃሮ ካብ ትምህርቲ ናይ ምትራፍ ምኽንያታት እንታይ እዮም?
• እቶም ቦኾራታት ምስቲ ናይቲ ቆልዓ ናይ ኣካል ስንክልና ዝተተሓዙ ድዮም?
• ኣብ ኣይኢፒ ክረአዩን ክምዝገቡን ዝግበኦም ናይ ጥዕና ፀገማት ኣለዉ ዶ?
• ናይ መጓዓዓዝያ ጉዳይ ድዩ?
• እቶም ቦኾራታት ከም ፍርሕን ጭንቅን ዝበሉ ፣ትምህርቲ ንኽፀልኡ ዝገብሩ ፣ ቅልጡፍ ፍታሕ ዘድልዮም ምስቲ ናይቲ ቆልዓ ስንክልና
ዝተተሓሓዙ ድዮም?
ብዝተኽኣለ መጠን ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርቲ ንኽርከቡ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ከባቢ ብኸመይ ምሕያሽ ክምዝከኣልን ሓዊሱ ናይ ትምህርቲ
ቦኾራታት ንምምሕያሽ መፍትሕትታትን ስልትታን ኣብ ምድላው ተምሃሮ ምስታፍ።
ወለዲ /መዕበይቲ ብዛዕባ ናይ ኣቴንዳንስን ናይ ኮርስ መሕለፍን ዘጋጥሙ ሽግራት ንምቕራፍ ዝሐሹ ሜላታት ንምዝርራብ ናይ ኣይኢፒ
ኣኼባ(ውልቃዊ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም ንዘለዎም)ወይ ካሊእ ናይ ቤት ትምህርቲ ናይ ጉጅለ ኣኼባ ምጥያቕ ትኽእሉ ኢኹም።ናይ ኣኼባ ቆፀሮ
ንምትሓዝ ናይ ውላድኩም ኣማኻሪ ወይ የ ኣይኢፒ ኬዝ ማናጀር ምጥያቕ ትኽእሉ። ኣፍቲ ኣኼባ ኣስቶርጓሚ ዘድልየኩም እንተኾይኑ አቐዲምኩም
ኣፍልጡና።
http://www.gearup.wa.gov/file/preparing-students-disabilities-postsecondary-education-resource-guide-use-
gear-school-staff
እዚ መምርሒ ናይ ሞያን ናይ ስራሕን ኣብያተ ትምህርቲ፣ ናይ ኣርባዕተ ወይ ናይ ክልተ ዓመት ኮሌጃት ከምኡ እውን ዩኒቨርሲታትን ሓዊስካ ናይ
ድህረ ካልኣይ ብርኪ ተቋማት ትምህርቶም ክቕፅሉ ዝሓስቡ ናይ ኣካል ጉድኣት ዘለዎም ናይ ካልኣይ ብርኪ ተምሃሮ ዝሰርሑ ቤተሰብ ንምርዳእ
ዝተዳለወ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ድህረ ካልኣይ ብርኪ ተቋማት ካብ ናይ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዝለዝፈላለዩ እዩ።ናይ ኣካል ጉድኣት
ዘለዎም ተምሃሮ ዝተሳኸዐሎም ንኽኾኑ መሰሎም፣ሓላፍነቶምን ንባዕሎም ጠጠው ክብሉ ከምዘለዎምን ምፍላጥ ኣድላዪ እዩ።
15
TIGRIGNA
• ሓደ ተምሃራይ ኣብ ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ዝለዓለ ብርኪ ኮርስታት ንኽምዝገብ፣ንናይ ዝለዓለ ብቕዓት ዘለዎም(HC)ወይ
ናይ ዝለዓለ ትምህርቲ(AL) ኣገልግሎት ብቑዕ ክኾኑ ኣለዎ ዶ?
ዋላ ናይ HC ወይ AL ብቕዓት ኣይሃልዎም፣ኩሎም ብቕዓታት፣ላዕለዋይ ምደባ(AL)፣ IB ን ናይ ዕፅፊ ክረዲት ኮርስታት ንኹሎም ተምሃሮ ክፍቲ
እዮም። ኣብ Ingraham ካልኣይ ብርኪ ብ International Baccalaureate Accelerated (IBX) ፕሮግራም ንምምዝጋብ ዝደልዩ ተምሃሮ
ግና ን HC ግልጋሎት ብቑዓት ኽኾኑ ይድለ።
• ሓደ ተምሃራይ ኣብ ዝኾነ ናይ ሲያትል ናይ ህዝቢ ቤት ትምሀቲ ኩሎም ናይ HC ኮርስታት ክወስድ ዶ ይኽእል?
ኣይከኣልን :: ን HC ግልጋሎት ብቑዓት ዝኾነ ተምሃሮ ካፍቶም ሰለስተ ናይ ዝላዓለ ብቕዓት ዘለዎም መሰጋገሪ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ
ኣብ ሓዲኡ ናይ HC ኮርስታት ክወስዱ ይኽእሉ። ኣብዚ ናይ ስግግር ከይዲ፣ሓደሓደ ኮርስታት ብናይ ተምሃራይ ድልየት፣ብናይ መዝገባን
ሰራሕተኛታትን ምኽንያት ብተኸታታሊ ቅደም ሰዓብ ክቐርቡ ይኽእሉ እዮም።
• ሓደ ናይ 2ይ ብርኪ ተምሃራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ 2018-2019 ኣብ Garfield ካልኣይ ብርኪ ወይ Ingraham ካልኣይ ብርኪ
ተመዝጊቡ እንተኾይኑ ኣብ 2019-2020 ናይ ትምህርቲ ዓመት ቤት ትምህርቲ ክቕይር ኣለዎ ዶ? ኣይብሉን :: ኣብዚ ሕዚ ኣዋን ኣብ ዝለዓለ
ብቕዓት ዘለዎም መሰጋገሪ ኣብያተ ትምህርቲ Garfield ን Ingraham ዘለዉ ኩሎም ተምሃሮ ኣብኡ ይቕፅሉ እዮም።
• ኣብ HC ዝተመደበ ተምሃርይ ኣብ 2018-2019 ኣብ Garfield ካልኣይ ቤት ትምህርቲ ዝተመዝገበ እንተኾይኑ፣እቲ ተምሃራያ ኣብ 2019-
2020 ናብ Lincoln ካልኣይ ብርኪ ንኽቅይር ክሓትት ይኽእል (ትኽእል) ዶ?
እወ::ን HC ግልጋሎት ብቑዓት ዝኾኑ ኣብ 2019-20 ናብ 10ይ ክፍሊ ዝኣትዉ ተምሃሮ፣ ዋላ 8ይ ኣብ ክፍሊ ኣብ HCC ፕሮግራም
ኣይንበሩ፣እንድሕር ኣብ Garfield ኮይኖም ወይ ዝኾነ ናይ ከባቢኦም ቤት ትምህርቲ ኾይኖም እሞ ኣብ Lincoln HC pathway ናይ መምሃሪ
ክልል ዝነብሩ እንተኾይኖም ናብ Lincoln ንምእታው ከመልክቱ ይኽእሉ እዮም። ቤተሰብ ኣብ ክፍቲ ናይ ምዝገባ ግዜ ናይ መረፃ ቅጥዒ ከእትዉ
ኣለዎም። ብዛዕባ ክፍቲ ናይ ምዝገባ ግዜ ተወሳኺ የንብቡ።
• ን HC ግልጋሎት ብቑዓት ዝኾኑ ተምሃሮ ፣ኣብ ናታቶም HC መሰጋገሪ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ ኣድላዪ ድዩ ? ኣይኮነን :: ን HC
ብቑዓት ዝኾኑ ተምሃሮ ብድልየት፣ናይ ኮሌጅን ስራሕን ትልሚ መሰረት ብምግባር ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ክመርፁ ይኽእሉ እዮም።
እቲ ልሙድ ናይ HCC ሞዴል ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርት ኣይቕፅልን; ይኹን እንበር HC ን AL ግልጋሎት ዝረኽቡ ተምሃሮ ናይ
ዝለዓለ ብርኪ ኮርሰ ምውሳዶም ይቕፅሉ።
• ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዲፕሎማ ተምሃራየ HC ወይ AL ሞዃኑ(ና)የርእይ ዶ ?
16
ኣብ ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዲፕሎማ ብዛዕባ ናይ ተምሃሮ ፣ HC ወይ AL ወይ ዝኾነ ካሊእ ናይ ፍሉይ ድልየት ስያሜ ዘርኢ ምልክት
የብሉን። ብ ናይ FERPA ሕጊ መሰረት ኣብ ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ መረዳእታ ወይ ዲፕሎማ ናይ ፍሉይ ድልየት
ስያሜታት ኣይዝርዘሩን። ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዲፕሎማ ናይቲ ተምሃራይ ናይ ክልልን ዲስትሪክትን ናይ ትምህርቲ ክረዲት
መለክዕታት ምምለኦም ዘረጋግፅ ሰነድ እዩ።
17
State Testing Requirements for Graduation TIGRIGNA
ኩሉም 10ይ ክፍሊ ተምሃሮ ስማርተር ባላንሰድ ግምገማታት (SBA) ቋንቋ እንግሊዝን (ELA) ሒሳብን ፈተናታት ክወስዱ
አለዎም።
ኩሉም 11ይ ክፍሊ ተምሃሮ Washington Comprehensive Assessment of Science* እውን ክወስዱ
አለዎም።
*ካብ 2019-2020 ናይ ትምህርቲ ዓመት ጀሚሩ ናይ ሳይንስ ፈተና ምሕላፍ ንምረቓ ኣገዳሲ እዩ።
ናይ 2017-2020 ክፍሊ:
ንምረቓ ኣድለይቲ ዝኾኑ SAT with
ፈተናታት SAT ACT with ACT (no
Essay (March 2016
(March 2016 or later) Writing Writing)
or later)
ሒሳብ 430 430 16 16
ቋንቋ እንግሊዝኛ 410 N/A 14 N/A
3. እቲ ተምሃራይ ኣፍቲ ቤት ትምህርቲ ናይ COE (Collection of Evidence) ክፍሊ ክምዝገብ ይኽእል እዩ፣ ኣፍቲ ክፍሊ ክረዲት
ይረክብ፣ናይ መሕለፊ ክረዲት ከውህብ ዝኽእል ናይ ስራሕ ተግባራት ኣታዊ ይገብር። ሓደሓደ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ሓሊፎም ናይ
መመረቒ መስፈርቲ ከማልእሉ ዝኽእሉ ናይ ዓመት ሙሉእ ትምህርቲ Bridge to College ከየቕርባ ይኽእላ እየን።
4. እቲ ተምሃርይ በ ቋንቋ እንግሊዝኛ (ELA)ን ሒሳን ብ dual credit option ክሓልፍ ይኽእል እዩ ፣ ከም Running Start ወይ
College in the High School (CIHS) ዝበሉ ::
5. ንፍሉይ ድልየት ተምሃር፣ተወሰኽቲ መሰጋገርቲ መንገድታት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም።
ኣብ ናይ ውላድኩም ካልኣይ ብርኪ ቤትምህርቲ ዝቐርቡ መማረፂታት ንምፍላጥ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣማኸሪ ወይ ናይ ትምህርቲ ሓገዝቲ ሰብ
ሞያ ይጠይቑ።
18
Explanation of Terms TIGRIGNA
ናይ ቃልት መግለፂታት
ACT ን SAT ናይ ኮሌጅ መእተዊ ፈተናታት
ብዙሓት ኮሌጃት ናይ ACT ወይ SAT ፈተናታት ውፅኢት ከም ናይ መመዝገቢ ከይዲ ኣካል ንኽኸውን ይሓቱ።
መብዛሕትኦም ኮሌጃትን ዩኒቨርሲታትን ቅበላ ንምውሳን ዝጥቀሙሎም ናይ መእተዊ ፈተናታት እዮም።ናይ ACT ን SAT ን ፈተናታት ዓላማ ናይ ካልኣይ
ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ንኮሌጅ ድልዋት ምዃኖም ንምልካዕን ኮሌጃት ንኹሎም ኣመልከትቲ ንምንፅፃር ዝጥቀምሎም ነጥቢ እዩ።መብዛሕትኦም ናይ
ካልኣይ ብርኪ ተምሃሮ ACT፣SAT ወይ ክሊትኦም ፈተናታት ጁኘር ተምሃሮ ኣብ ፅድያ፣ሲንየር ተምሃር ድማ ኣብ ቀውዒ ይወስዱ:: ኮሌጅ ቅድሚ
ምምልካትኩም ውፅኢትኩም ክተዕብዩ እንተደሊኹም ነተ ፈተና ካልኣይ ንምውሳድ ግዜ ክህልወኩም ኣድላዪ እዩ።
ዝለዓለ ትምህርት(AL)ን ዝለዓለ ክእለት ዘለዎም(HC)ን መሰጋገሪ(Advanced Learner (AL) and Highly Capable (HC) Pathway)
ተመሳሳሊ ዕድመ ካብ ዘለዎም ደቂ ክፍሎም ፍልይ ዝበለ ናይ ምምሃርን ናይ ምርዳእን ክእለት ዘለዎምን ብወለዲ፣ብመምህራን፣ብኻልኦት ሰራሕተኛታት
ወይ ኣባል ማሕበረሰብ ተለልዮም ብወለዲ ናብ ናይ ብቕዓት መለክዒ ግምገማ ክሳተፉ ይግበሩ። ግልጋሎት ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ ኣካል ጉድኣት
ተምሃሮ(ክልተ ግዜ ፍሉያት ተምሃሮ)ን ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ተምሃሮን ወይ ካብ ኩሉ ማሕበራዊ ኢኮኖሚያዊ፣ዘርእን ባህልን ከጠቓልል ይኽእል።
ዝለዓለ ትምህርት(AL) ዝለዓለ ትምህርቲ ካብ ኪንደርጋርደን እስካብ 8ይ ክፍሊ ዝርከቡ ተምሃሮ ናይ ብቕዓት ምድብ እዩ። ጥቆማ ኣብ መጨረሻ ናይ
ትምህርቲ ዓመት ወይ ኣብ ሓጋይ ይካየድ።ናይ ብቕዓት ፈተና በብዓመቱ ኣብ ቆውዒ ይወሃብ።
ምስ ስራሕ ዝተትሓሓዙ ትምህርቲ/ናይ ሞያን ቴክኒክን ትምህርቲ (CCL/CTE)( Career Connected Learning/Career and Technical
Education (CCL/CTE)
ምስ ስራሕ ዝተትሓሓዙ ትምህርቲ (CCL/CTE): ናይ CCL/ CTE ክፍልታት ወይ ሓደሓደ ዝተፈቐዱ ናይ CCL/ CTE ዘይኮኑ ኮርስታት ብምድህሳስን
ብምድላውን ክረዲት ከርክቡ ይኽእሉ እዮም። ንዝተፈቐዱ ኮርስታት ኦፊሴላዊ ናይ ዲስትሪክት ናይ ኮርስ ዝርዝር ይመልከቱ።
ክረዲት (Credit)
” ክረዲት እንታይ እዩ?” ክረዲት ብሓፈሻ ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተምሃሮ ናይ ትምህርቲ መስፈርቲ ዘማልኡ ምዃኖም ንምግምጋም ካብ
ዝጥቀሙሎም ቀዳሞት ሜላታት ሓደ እዩ። ክረዲት ተምሃሮ ሓደ ኮርስ ወይ ኣድላዪ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም እንትውድኡን እንትሓልፉን ይወሃብ።ናይ
ሲያትል ናይ ህዝቢ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ዲፕሎማ ንኽረኽቡ ክረዲታት ምውህላል የድልዮም።
ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲን ኣብኡ ንላዕልን ትልሚ (High School and Beyond Plan)
ዋሽንግተን ክልል ኩሎም ተምሃሮ ናይ ካልኣይ ብርክን ካብኡ ንላዕልን ትልሚ ንኸዳልው ይደሊ። ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርት፣ ናብ 8
ክፍሊ ዝኣትዉ ተምሃሮ ናይ 4ተ ዓመት ናይ ካልኣይ ብርኪ ኮርስ ትልሚ፣ረዙመ፣ድህረ ካልኣይ ብርኪ ትልሚ፣ናይ ስራሕን ኮሌጅን ትልሚ ሓዊሱ
ናይ 5ተ ዓመት ትልሚ ምድላው ከምዝጅምሩ ትፅቢት ይገብር።እቲ ተምሃራይ ናይ ካልኣይ ብርክን ካብኡ ንላዕልን ትልሚ እንተውፅእ እቲ ትልሚ
ምስ ግዜ ዝሕደስ ክኸውን ኣለዎ።ናይ ቤት ትምህርት ኣማኸርቲ፣ሰራሕተኛታት ወይ ወለዲ በቲ ክልል ዝተረጋገፀ መሳርሒ ንተምሃሮ ናይ ውልቆም
ትልሚ ንኸውፅኡ ይሕግዝዎም።
Naviance
Naviance፣ተምሃሮ ናይ ኮሎጃትን ናይ ስራሕ ጉዕዞታትን ንኽድህስሱ፣ምስ ሞየኦምን ውላቃዊ ባህሪኦም ብምዝማድ ክእለቶምን ተውህበኦምን
ንኽትንትኑን፣ኣብ ናይ ትምህርታዊ ትልምም ንምብፃሕ ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ካፍቲ መንገዲ ንኸይወፁ ይኽእሎም።.
Seal of Biliteracy
ናይ ዓለም ቋንቋ ክረዲት ፈተና(እስካብ 4 ክረዲታት ዘርክብ)፣ናብ ዝለዓለ ምደባ(AP) ወይ ዓለም ለኸ ባካሎሬት(IB)ናይ ቋንቋ ፈተናታት ብምሕላፍ ናይ
ቋንቋ ክእለቶም ዘርአዩ ተመረቕቲ the State Seal of Biliteracy ይረኽቡ። እቲ Seal ኣብዚ ናይ ሕዚ ዓለም እንግሊዝኛ ቋንቋ
ምዝራብ፣ምንባብ፣ምፅሓፍን እንተነኣሰ ካሊእ ሓደ ቋንቋ ምጥቃም ርብሕኡ ንምርኣይ እዩ።
ሶርሰ(The Source)
ሶርስ ቤተሰብን ተምሃሮን፣ናይ ተምሃሮ ፕሮግራም ንምርኣይ፣ነጥቢ ንምክትታል፣ኣቴንዳንስ ንምክትታል፣ዝጎዶሎ ኣሳይመንታት ንምርኣይ፣ናብ መምህራን
ኢሜይል ምንምግባር፣ብሓደሓደ ኩነታት መፃኢ ኣሳይመንት ንምርኣይ ዘኽእል ናይ ድህረገፅ ፀጋ እዩ። ሲያትል ናይ ህዝቢ ኣብያተ ትምህርቲ ቤተሰብን
ተምሃሮን መረዳእተኦም ብተንቀሳቃሲ ስልኮም ብቐሊሉ ንምርኣይ ዝሕግዞም መተግበሪ ኣለዎ።
ስኩሎጂ(Schoology)
ሓደሓደ መምህራን ገዛ ዕዮታት፣መልእኽቲታት፣ምድላዋትን፣ካላንደን ንምልጣፍ ስኩሎጂ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም።ብናይ ሶርስ ኣካውንትኹም ናብ
ስኩሎጂ ክትኣትዉ ትኽእሉ ኢኹም።
ናብ ናይ 4ተ ዓመት ኮሌጅ ወይ ዩኒቨርሲቲ ንምእታው ትልሚ ዘለዎም ተምሃሮ ናይ ዓለም ቋንቋ (ከም ስፓኒሽ፣ ፈረንሣይኛ፣ ወዘተ ዝበሉ)እንተነኣሰ ንኽልተ
ዓመታት ንኽከታተሉ ይምከር።
20