You are on page 1of 1

ዕለት፦__________________ዓ/ም

ናብ ክ/ከተማ ሰሜን ፍትሕን ምርግጋፅን ምዝገባን ስነዳት


መቐለ
መረዳእታ ስልጣን ዉክልና

ወካሊ ፦ አይተ ሃፍቱ ዕቡይ አብርሃ - አድራሻ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ሰሜን ጣብያ ኢንዱስትሪ
ተወካሊ ፦ አይተ ሙሉብርሃን ሃይለ አፅባሃ - አድራሻ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ ቀ/ወያን

ናይቲ ውክልና ትሕዝቶ

ኣነ ወካሊ ተባሂለ ሽመይን አድራሻይን አብ ላዕሊ ዝተገለፅኹ ንተወካሊ ተባሂሎም ሽሞምን አድራሾኦምን አብ
ላዕሊ ዝተጠቀሱ ዝህቦም ናይ ውክልና ስልጣን ውልቀ ንብረተይ ዝኾነ ብሽመይ ተመዝጊቡ አብ ከተማ መቐለ ክ/ከተማ
ሰሜን ጣብያ ኢንዱስትሪ ዝርከብ ገዛ ቁፅሪ M-172 መዋሰኒኡ፦ ብምብራቅ M-110፣ ብምዕራብ LB፣ ብሰሜን LB፣
ብደቡብ መንገዲ ዘዋስኖ ኮይኑ ገዛ ስፍሓቱ 140 ሜ/ካሬ ዝዓረፈ ንመንበሪ ግልጋሎት ዝውዕል ገዛን ቦታን ተወካሊ አብ
ክንዳይ ኮይኖም ክሕሉ፣ ክቆፃፀሩ፣ ከመሓድሩ፣ ክሊራንስ ከውፅኡ፣ ክሸጡ፣ ክልውጡ፣ ናይ መሸጣ ገንዘብ ክቅበሉ፣ ርስተ
ገንዘብ/ዋንነት/ ናብ ሽም ዓዳጊ ከዝሩ፣ በቲ ፕላን መሰረት ገዛውቲ ከስርሑ፣ ማይ መብራህቲ ቴሌፎን ከእትው፣ ንዓይ
ዘድሊ መረዳእታ ሓቲቱም ክቅበሉ፣ ብዛዕባ እቲ ገዛን ቦታን ዘከራኽር ነገር እንተሃልዩ ጠበቃ ክውክሉን ክስዕሩን፣
ብሕፈሻ ብዛዕባ እቲ አብ ላዕሊ ዝተገለፀ ገዛን ቦታን አነ ባዕለይ ብአካል ቀሪበ ከፍፅሞ ዝግበአኒ ሰራሕቲ ኹሉ አብ
መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካል ህዝባዉን መስራቤታት፣ አብ ቤት መዘጋጃ፣ ክ/ከተማ ከምኡ እውን ኣብ ካልኦተ
አግባብ ዘለዎም ኣካላትን ውልቀ ትካላትን ብምቅራብ ንክፍፅሙን ንከፈፅሙን ንተወካሊ ብፍ/ሔር ሕጊ ቁፅሪ
2199/2204 ከማኡ እዉን ብፍ/ስ/ስ/ሕ/ቁ/58 መሰረት እዚ ናይ ዉክልና ስልጣን ዝሃብክዎም ምኻነይ ብፌርማይ
የረጋግፅ።

ናይ ወካሊ ፊርማ

ኣይተ ሃፍቱ ዕቡይ አብርሃ

____________________

You might also like