Professional Documents
Culture Documents
Tor Iom 2013L
Tor Iom 2013L
ኣብ ምክልካል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት መሰረት ገይሩ ዝተኻደ ውፅኢት ሓፂር ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ
0
ብምምልማል
ብምጉዕዓዝ
ንኻሊእ ኣሕልፍካ ብምሃብ
ብምቕባል(ምሕባእ)
ብሓይሊ /ኣፈራሪሕካ ምውሳድ፣ ምድፋር
ኣታሊልካ ምውሳድ
ናይ ስራሕ ዋጋኻ /ጉቡእኻ ዘይምኽፋል… ገበን ምዃኑ
ዝተፈላለዩ መፅናዕቲታት ከም ዝሕብርዎ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ገበናት ምዝውዋር
ሓሽሻትን ዘይሕጋዊ ኣፅዋርን ቀፂሉ ብሳልሳይ ብርኪ ዝስራዕ ገበን እዩ። እዚ ገበን’ዚ
ብጣዕሚ ሕልኽላኽ ዝበዝሖ ተግባር ኮይኑ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት /መርበባትን
መንገድታትን ዝፍፀም ገበን እዩ።
1.1. ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ዝዋስኡ ኣካላት:-
መልመልቲ፣ ደለልቲ፣ ዘይሕጋዊያን መራኽብቲ ስራሕ፣ ዓደግትን ሸየጥትን፣ ናይ
ነዊሕ ርሕቐት መሽከርከርቲ፣ ቡና ቤትን ሆቴላትን፣ ሓወልቲ ገንዘብ፣ ብምፍላጥ
ይኹን ብዘይምፍላጥ መንግስቲ ሰራሕተኛታት፣ ጎረቤት፣ ኣባላት ስድራ ቤት፣
መሓዛ እዮም።
1.1.1. እቲ ገበን ሕልኽላኽ ዘብሎ ምኽንያት:-
እቶም ንዘይሕጋዊ ስደት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዜጋታት (መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን) ምስ
ብጣዕሚ ቅርበት ዘለዎም ስድራ ቤት፣ ወለድን መሓዛን ብሕቡእ እናተማኸሩ ስለ ዝሰርሕዎ
ብምሽጥር፣ ብዝተወደበን ዘይብተኽን መርበብ ስለዝፍፀም
ሕገ-መንግስታዊ መሰል ከለላ ብምግባር ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝግበር መሰል ምዝውዋር/
ምንቅስቓስ ዝፈቅድ ዕድል ምህላው ብኡ ኣቢልካ ዝፍፀሙ ተግባራት ዘይሕጋዊ ስደት
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ዝሳገሩ ዜጋታት ብገበን ዘሕትት ሕጊ ዘይምህላው /ተጎዳእቲ
እዮም ኢልካ ምድምዳም/
2. መእተዊ
ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ከም ዝሕብርዎ ኣብ ዓለምና ምዝውዋር መዐወንቲ እፅን ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ቀፂሉ
ኣብ ወዲ ሰብ ሓዳጋ ካብ ዝስዕቡ ዘለው ብሳልሳይ ብርኪ ዝስራዕ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ሓደ
1
ብ 2017 ኣ.ፈ መፅናዕቲ ውድብ ስደተኛታት ዓለም ከምዝሕብሮ ብብርኪ ዓለም
2
ብተመሳሳሊ መብዛሕቲኦም ንስደት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ከባቢታት ገጠር ዝነብሩ መናእሰይ
3
ኣብነት መፅናዕቲ ውድብ ስደተኛታት ዓለም ከምዝሕብሮ ካብ 2012 – 2016 ኣ.ፈ ብኣንፈት
ምብራቕ በሪ ኣቢሎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ የመን ዝተሳገሩ ኢትዮጵያውያን እንተወስድና
2015---------------------------------82,268
2014-------------------------------- 71,907
2013-------------------------------- 54,213
4
በቢ ክልሉ ዝገልፅ መረዳእታ
ተመለስቲ ስዑዲ ዓረብ
• ኣዲሰ ኣበባ 4,223
• ክልል ዓፋር 3,306
ካብ ታሕሳስ 2017- ጥሪ
• ክልል
2019 ኣ.ፈ.ኣብ ዘሎ ግዘ
ካብ ስዑዲ ዓረብ
ቤ/ጉሙዝ 310
ዝተመለሱ ስደተኛታት • ክልል
ጋምቤላ 57
• ከተማ
ድሬዳዋ 939
• ክልል
ኣምሓራ 66,197
• ክልል
ኦሮሚያ 63,665
• ክልል ደቡብ 7,174
• ክልል
ሶማሊያ 513
• ክልል ትግራይ 57,216
5
• ሰ/ሽዋ 4,686
• ሰ/ወሎ 13,476
• ኦሮሚያ ፍሉይ
ኣምሓራ 10,725
ዞባ
• ደቡብ ወሎ 10,451
• ም/ጎጃም 693
ኦሮሚያ • ኣርሲ 8,633
• ባሌ 4,303
• ምብ/ሃረርጌ 8,785
ብብርኪ • ጅማ 9,130
ክልልን ዞባን • ምዕ/ወለጋ 525
• ምዕ/ኣርሲ 2,494
በዝሒ • ምዕ/ሃረርጌ 4,056
• ዞባ ማእከል 3,209
ተመለስቲ • ዞባ ምብራቕ 13,767
ስዑዲ ዓረብ ትግራይ
• ሰ/ምዕራብ 2,534
• ደ/ምብራቕ 4,379
• ደቡብ 10,503
• ጉራጌ 522
ደቡብ
• ስልጤ 1,927
ኣኣ • ኣኣ 1,212
ብምኽንያት ኮቪድ -19 ኣብ 2012 ዓ.ም ካብ መንገድን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተመለሱ መረዳእታ ስደተኛታት
ተጋሩ /ካብ ሳውዲዓረብ፣ ሊባኖስ፣ የመን፣ ሊቭያ፣ ጀቡቲ፣ ስማሊ፣ ካብ መንገዲ ጅግጅጋ
6
ዞባ ፆታ
ተባ ኣነ ድምር
መቐለ 19 22 41
ማእከል 265 106 371
ምብራቕ 655 139 794
ምዕራብ 49 5 54
ሰሜን ምዕራብ 225 114 339
ደቡብ 535 66 601
ደቡብ ምብራቕ 313 77 390
ሓፈሻዊ ድምር 2123 548 2671
ተመለስቲ
ትኹረት ጉጅለ ምይይጥ (Focus Group Discussion) ኣብ 8 ወረዳታት ዝርከባ 8 ንሰደት ተቓላዕቲ
ኣብ ባይታ ወሪድካ ምዕዛብ (Field Visit) ስራሕ ዘይብሎም ፣ ንተመለስቲ ስደት መናእሰይ ብምርካብ፣
ወሰንቲ ኩለ መዳይ ሓበርታ ዘለዎም 18 ፈፀምቲ ኣካላት ኣብ ወረዳን ጣብያን ቃለ መሕትት ተገይርሎም
7
ጠቕላላ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሓሳቦም ዝገልፁ በዝሒ ተሳተፍቲ 397 እዮም
ዝተፈላለዩ ፅሑፋዊ መረዳእታ ሰነዳት እውን ተጠቒምና ኢና፣ ነዚ ዝተኻየደ ሜላ መፅናዕቲ ድማ ብቪድዮ
ካሜራ ዝተሓገዘ ምስሊ ንምውሳድ ተገይሩ፣
ትንተናን ውፅኢትን ዳህሳሰዊ መፅናዕትን
1. ሓፈሻዊ ሓበሬታ
እቶም 109 ድማ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ዘውውር ደቂ ሰባት ኣብ ከበባቢና ዝውሃብ ኣስተምህሮ ማእከላይ እዩ ዝበሉ እዮም፣
ምክንያቶም ድማ ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝወሃቡ ኣስተምህሮታት እንተሃለው ንመናእሰይ ካብ ምኳድ ዝድሕኑ
ኣይኾኑን፣ ኣብ መናእሰይ ዘብፀሖ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ብዝግባእ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣስተምህሮ ስለ ዘይወሃብ ምኳኑን
እዮም ይብሉ፣
8
እቶም 20 ድማ ኣዕጋቢ ዝበሉ እዮም፣ 16 ልዑል ፣ 4 ኣ/ልዑል እቶም 6 ፈፂሙ ኣይወሃብን ዝበሉ እዮም፣ ኣብዚ ድማ
ብፍላይ ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝወሃባ ኣስተምህሮታት ከም ዘሐሻ ጅማሮታት እየን ይብሉ፣ ልዑልን ኣ/ልዑልን ዝበሉ
እውን ከምኡ ኣብ ዘተ ማሕበረሰብ፣ ሐደጋ ሞት እንተጋጥም ዝፍጠር ግንዛበታት ገሊኦም ምኳኖም ይገልፁ፣
ብኣጠቃላሊ ግን ኣብዚ ዘሎ ኩነታት እንትንርኢ እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ውፅኢት እቲ ዝበዝሐ ትሑት ዝብል እዩ። ስለዚ
ብፍላይ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ኣስተምህሮታት ምክልካል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ምስ ዝተፈላለዩ
ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ተግባራዊ ምግብር ከም ዘድሊ እዩ ዘመላክት፣
1.2. ኣብ ትግራይ መናእሰይ ብዘይሕጋዊ ዝውውር ክዛወሩ ዝገብርዎም ቀንዲ መበገሲታት እንታይ እንታይ
እዮም? ንዝብል ሕቶ ብ 304 ፅሑፋዊ መሕትት፣ 8 ትኩረት ጉጅለ ምይይጥ፣ 21 ቃለ መሕትት ዝሃብዎ
ሪኢቶ
ስእነት ስራሕ፣ ድኽነት
ንመናእሰይ ዝወሃቡ መስርሒ ቦታት ኣብ ምንታይ ረብሓ ከም ዘሎ ቁፅፅር ዘይምግባር፣
ንመናእሰይ ኣጉል ተስፋ ምሃብ
ወረዳ ኮማንድ ስርሑ ብዘይምውፅኡ፣ ንደላሎ ዝቆፃፀር ኣካል ዘይምህላው፣
ግንዛበ ምንኣስ፣ ካብ መንግሰቲ ጥራሕ ስራሕ ከመቻቸውልካ ምፅባይ ብሓፂሩ ተስፋ ምቑራፅ
ፀገም ቐረብ ልቃሕ፣ መጠን ልቃሕ ወለድ ምብዛሕ፣ ቀረብ መሬት ዘይምህላው፣ መሰልን ጉቡኡን ዘይምርዳእ
ዓርከይ ሓደገኒ ኢልካ ምጉዓዝ፣ብኣቛራጭ ንምህፍታም፣ ተፃዋራይ ዘይምኳን /ተሎ ኢልካ ምቁጣዕ/
ፀገም ወይ ሕቶ መንእሰይ ሰሚዕኻ ጉቡእ መልሲ ዝህብ ኣካል ዘይምህላው፣ ምስ ወለዲ ብዘይምርድዳእ
ዝፍጠሩ ፀገማት፣ ፀገም መናአሰይ ማሕበረሰብ ወይ ወለዲ ክፈትሑ ቁሩባት ዘይምኳን፣ ምስ ኮነ እምበር
ቅድሚ ምካኑ ሓሲብካ ዘይምሕጋዝ ፀገም
ንዝተምሃረ ወገን ዝኸውን ዕድል ስራሕ ዘይምህላው
ደለልቲ ምህሎው፣ ድለላ ከም ሓደ መማረፂ ስራሕ ገይርካ ምውሳድ፣ ብጉጉይ ሓበሬታ ምእማን
ብሕጋዊ መንገዲ ንምካድ ዘሎ ግልጋሎት ስሉጥ ዘይምካን፣ ዝክፈል ክፍሊት ውሕድ ምካን ካብኡ ድማ ነቲ
ዘይሕጋዊ ምምራፅ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ምካድ ኪሳራ ምካኑ ብደለልቲ ዝንዝሑ ወረታት ምእማን
1.3. ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ምስቲ ሕዚ ዘሎ ሃገራዊ ኹነታት እውን ብምትእስሳር ይውስኽ ዶ ኣሎ
ወይስ ይንኪ ? ሀ. ይውስኽ ኣሎ ለ. ይንኪ ኣሎ ምላሾም ይውስኽ ኣሎ ወይ ይንኪ መበሊኦም
ምክንያት ይግለፁ/ላ
ሰደቃ 3.
132
172 304
1.3.1. ብቃለ መሕትት ካብ 304 ዝተሓተቱ ተሳተፍቲ 132 /43.4 ሚኢታዊ /ይውሰክ ኣሎ ኢሎም፣ ኣብዚ
ይወሰክ ኣሎ ዝበልሉ ምክንያት ድማ መንእሰይ ተኮር ስራሕ ዕድል፣ግልጋሎት ቀረብ ልቃሕ ዘይምህላውን
9
ዝለዓለ መጠን ወለድን፣ ትሑት ባህሊ ስራሕ መንእሰይ ብምህላው፣ ናይ ጎረቤትን ወለድን ፅዕንቶ
፣ብኣቃራጭ ክትህፍትም ምድላይን እቶም ቀንዲ እዮም ምኳኖም ይገልፁ፣
እቶም 172 /56.6 ሚኢታዊ/ተሳተፍቲ ድማ ይንኪ ከም ዘሎ ገሊፆም፣ ምክንያት ይንኪ ኣሎ
መበሊኦም እነትገልፁ ድማ ፣ ብምክንያት ኮቪድ 19 ዝወፁ ሃገራውን ዓለም ለካውን ክልከላታት፣
ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝወሃቡ ኣስተምህሮታትን ዘተ ማሕበረሰብን እዮም፣
ኣብዚ ዘሎ ኩነታት እንትንርኢ ዋላ ይንኪ ኣሎ ዝብል እንተዛየደ እውን ብወድዓዊ ምክንያት እምበር ዘላቂ
ለውጢ ከም ዘይብሉ የመላክት፣
1.4. ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ንምንካይ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሐቲ ዘሎ መንግስታዊ ኣካል ሓዊስካ ንኩሎም
መደረግቲ አካላት ተዋዲድካ ምስራሕ ዘሎዎ ደረጃ ከመይ ይገልፅዎ ? ሀ.ትሑት ለ.ማእኸላይ ሐ.ልዑል
መ.ኣዝዩ ልዑል
ምላሾም ትሑቱን ብጣዕሚ ትሑትን እንተኾይኑ ምኽንያቱ እዩ ይብሉ/ላ
ሰደቃ 4.
1.5. ብናሃቶም ትዕዝብትን ገምጋምን ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ኣብ ምግዳድን ቀንዲ ተዋሳይ መን እዩ
ይብሉ፣ ሀ. ስድራ ለ.ደላላይ ሐ.መንግስታዊ መሓውር መ.ወደበ ስደተኛታት ዓለም /IOM/
ሰደቃ 5
ኣብዚ እቶም መላእቲ መሕትት ብዘሃብዎ ሓሳብ መሰረት ኣብ ምግዳድ ዘይሕጋዊ ስደት ተወሳእቲ ኣካላት ዝበሃሉ
ብቅደም ሰዓብ እንትቅመጡ ደለልቲ 178/58.55 ሚኢታዊ/፣ስድራቤት 18.5 ሚኢታዊ/፣ መንግስታዊ ኣካል
13.16 ሚኢታዊ/፣ ውድብ ስደተታት ዓለም ድማ 9.54 ሚኢታዊ ኮይኑ ኣብዚ እቲ ውፅኢት ከም ዘማላኽት
ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ኣብ ምግዳድን ቀንዲ ተዋሳይ ደላላይ እዩ፣ ግደ ስድራ ቤት መንግስታዊ ኣካለትን
እውን እጃም ኣለዎም እዩ።
10
1.6. ኣብ ወረዳን ጣብያን ዘሎ ግብረ - ሓይሊ ኣብ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ንመኮብለልቲ/
ደለልቲ/ ተኸታቲልካ መምሃራይ ስጉምቲ ኣብ ምሃብ ዘሎ ምንቅስቃስ ኣመልኪቱ ብ 304 መላእቲ ፅሑፋዊ
መሕትት ዝተውሃቡ ሪኢቶታት፣
ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ገብሪ ሓይሊ ዝህቦ ጠመተ ትሑት እዩ ፣
ደለልቲ ኣብ ሕበረተሰብ ክቃልዑ ዘይምግባር ሕበረተሰብን መኽበርቲ ሕግን ተዋዲድካ ዘይምስራሕ ፣
ብወገን ወለድን ስደት ተቃላዕቲ መናእሰይ ብደለልቲ ዝተሓተትዎ መጠን ገንዘብ ሓበሬታ እንትቐርብ
ዝምልከቶ ኣካል ቁልጡፍ ፍታሕ ዘይምሃብ፣
እቲ ግብሪ ሓይሊ ዝበሃል ብደለልቲ ዝበፅሖ ጥቅዓት ዝቅበል እምበር ፍታሕ የበሉን፣ ወይ ድማ ንደለልቲ
ኣሕሊፉ ዘይህብ ኣካል እዩ ዘሎ፣
ንደለልቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ከይዲ ድለሎኦም ዘጠናክር እምበር ዘቃልል ኣይኮነን
ሕብረተሰብ ንዘይሕጋዊያን ደለልቲ ኣብ ምቅላዕ ይኩን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ዝግበር ምትሕብባር
ትሑት ምካን
ደለልቲ ሂወት ሰብ ዝኣክል እናጥፍኡ እቲ ናይ ፍትሒ ኣካል ብ 100 ሽሕ ዋሕስ ምስዳድ ነቲ ፀገም ዘጋድድ
እምበር ዘቃልል ኣይኮነን፣ ብናይ ሕጊ ኣካላት
ኣብ ወረዳን ጣብያን ዘሎ ግብረ ሓይሊ ነቲ ፀገም ብዕምቆት ብምርዳእ ዝሰርሕ ኣይኮነን
እቲ ግብሪ ሓይሊን ናይ ፍትሒ ኣካላትን ከባቢ ማሕበረሰብን ስሚዒት ናተይነት ስለ ዘይብሉ ተዋድድካ
ምስራሕ የለን፣
ካብ ስደት ዝምለሱን ንስደት ዝኸዱን ብዘይካ ቤተሰብ ዝቆፃፀር አካል የለን
ኣባላት ግብሪ ሓይሊ ከም ፖሊስ፣ ኣካላት ፍትሒ ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋ ድለላ ንዝሳተፍ ኣካል ብሕጊ ዋግኡ
ከይረክብ ባዕሎም ሸምገልቲ ይኾኑ እዮም፣
ንምክልካል ዘይሕጋዊ ስደት ተባሂሉ ኣብ ትልምን በጀትን ዘይምክታት
ንስደት ምኳድ ከም ፀገም እንተይኮነስ ከም ዘመናዊነት ገይርካ ምውሳድ
ካብ ዘረባ ሓሊፉ ብተግባር ዝሰርሕ ግብሪ ሓይሊ የለን
ኣብ ካልኦት ክልላትን ሃገራትን ዘለው ደለልቲ ዝግበር ምቁፅፃር ትሑት ምኳን፣
1.7. ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ብቐንዱ ተሓታታይ ክኸውን ዘለዎ ኣካል መን እዩ ንዝብል
ዝቀረበሎም ሕቶ እቶም 304 ተሳተፍቲ ዝሃብዎ መልስን ምስ ምኽንያቱ እንትገልፁ፣
በቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ንደለልቲ ዝቆፃፀር ኣካል መንግስቲ ጥራሕ ገይርካ ምርዳእን ምወሳድን
ወለዲ፣ ደለልቲ፣ ተመለስቲ እቲ ከባቢ ተሓተትቲ ምኳኖም
ሕብረተሰብን ዝምልከቶ ኣካልን
መንግስታውን ውልቀን ትካላት ባንኪ
ንዘይሕጋዊ ተግበራት ስደት ዝፈፅምን ዝሓስብን
ንዘይጋዊ ተሰዳዳይ /ኣብ ክንዲ ገበነኛ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ተጎዳኣይ እዩ ብዝብል ምርዳእ/
ዝተወሰኑ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝሃፍተሙ መርኣያ ዝኮኑ ውልቀ ሰባት
ንመናእሰይ ኣብ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ዘይሰርሕ ኣካል
መንግስታዊ ኣካላት ኣብነት ጉዳይ መናእሰይ፣ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ ደ.ኣ.ን.ትን ካልኦትን
ምውፋር ወፃኢ ዓዲ ስራሕ ዝወሃብ ግልጋሎት ስሉጥ ዘይምኳን
ኣካላት ፍትሕን በቢ ብረኩ ዘለው ሓለፈትን
11
ኣብ ምፍታሕ ስደት መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ዘይምህላው
ንዘይሕጋዊ ስደት ዘተባብዑ ወላድን ቤተሰብን
ኣብ ዳለሎ ዘሎ ዘይዛሪ ሰንሰለች ዘየምክን ኣካል
1.8. ንምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ንቐፃሊ እንታይ ክግበሩ ኣለዎም ይብሉ /ላ ንዝብል ሕቶ ብ
304 ፅሑፋዊ መሕትት፣ 8 ትኩረት ጉጅለ ምይይጥ፣ 21 ቃለ መሕትት ከም መፍትሒ ሐሳባት ኢሎም
ዘቀመጥዎም ሪኢቶታት
ትምህርቲ ማንዛ ንማንዛ ምትእትታው፣ ብመዳይ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ቤተ እምነቶም ኣስተምህሮ
ክወሃብ ምግባር የድሊ
ኣማራፂ ሕጋዊ መንገዲ ብዝተጠናከረ ኩነታት ክቅፅል ኣለዎ
ጉዳይ ምክልካል ዘይሕጋዊ ስደት ጉዳይ ኩሉ ሕብረተሰብን መንግስታዊ ኣካልን ክኸውን ምግባር
ብመዳይ መንግስታዊ ኣካላት መንእሰይ ተኮር ስራሕ ዕድል ፈጠራ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ከመሓየሽ ምግባር፣
ኣብነት ኣብ ምምፃእ ለውጢ ባህሪ መናእሰይ፣ ኣወሃህባ ሞያዊ ስልጠና፣ ቁልጡፋ ፍትሓዊ ግልጋሎት
ቀረብ ልቃሕ
ብወገን ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ተዋድድካን ተጠናኪርካን ምስራሕ
ብመዳይ መንእሰይ ተወዲቡን ተጠናኪሩን ዝሰርሓሉ ኩነታት ምምችቻው
መናእሰይ ብመሰረት ጠለቦም ኣብ ስራሕ ክፅምዱ ምግባር፣ መንግስቲ ምስ መዳርግቲ ኣካላት
ብምትእስሳር ዕድል ስራሕ ምፍጣር
ሓደጋ ወይ ሳዕብየን ዘይሕጋዊ ስደት ኣመልኪቱ ኣብ ሕብረተሰብ ተደጋጋሚ ኣስተምህሮ ምሃብ
መንእሰይ ተኮር ሓገዝ ተዘዋዋሪ ልቃሕ ምትእትታው፣ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ዘለው ፀገማት መናእሰይ
ክፍትሑ ምግባር፣ ቁልጡፍ ግልጋሎት ክረክቡ ምግባር
ኣብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ዘለው ትካላት ልምዓት መንእሰይ ትኩረት ገይሮም ክሰርሑ ምግባር
ህዝብን መንግስትን ብሓባር ምሰራሕ ዘክእል ስርዓት ኣወዳድባ ምትእትታው
ኣብ ዓዶም ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝነኣሰ ዕድል ስራሕ ምፍጣር
ጉዳይ መናእሰይን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን እናተከታተለ ውዳበ ምትዕርራይን ንዘጋጥሙ ፀገማት ብእዋኑ
ፍታሕ ምሃብ
ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ዘበሃሉ ፈሊካ ብምሓዝ መፍትሒ ምትእልላሽን ንመንእሰይ ዝከውን ንፁር ፓኬጅ
ልምዓት ምውፃእን ምትግባርን
ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ በቲ ሕዚ ብርእሰ ምምሕዳር ዝምራሕ ዘሎ ሓዱሽ ኣወዳድባ ተጠናኪሩ ክቅፅል
ምግባር፣
ብማሕበር ይኩን ብውልቀ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ምጥንካርን
ኣብ ዝውውር ደቂ ሰባት ዝተዋፈሩ መከብለልቲ መምሃራይ ዝኮነ ስጉምቲ ምውሳድ
ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተወደበ ግብረ ሓይሊ ክህልው ምግባር
ዘይሕጋዊ ስደት ንምክልካል ዝሕግዝ ፖሊሲ ክተኣታቶ ኣለዎ
ባዕሉ እቲ መንእሰይን ማሓር መናእሰይን ኣብ ምልዋጥ ኣተሓሳስባ መናእሰይ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፣
ስርዓት ክትትልን ደገፍን መንግስቲ ተጠናኪሩ ክቅፅል ኣለዎ
ንመናእሰይ ቀረብ መስርሕን መሸጥን ቦታ ክወሃብ ኣለዎ
ኣብ ከይዲ ዕድል ፈጠራ ስራሕ ዝውስን ግልፂ ዝኮነ መሓውር ምቅማጥ
ምስ መንእሰይ ተዳጋገሚ ምርድዳእን ኣብ ፈጠራ ስራሕ ልውውጥ ተሞኩሮ ምክያድ
ምስፍሕፋሕ ማእከላት መዘናግዒ መናእሰይ የድሊ
12
1.9. ኣብ ትግራይ ዘለው ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ኣብ ምክኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ዘለዎም እጃም
ኸመይ ይገልፅዎም ? ሀ.ትሑት ለ.ማእኽላይ ሐ. ልዑል ምላሾም ትሑት እንተኾይኑ ምኽንያቶም ይግለፁ
ንዝብል ሕቶ እቶም 304 ኣካላት ዝሃብዎ ሪኢቶ
13
ካብ ዓመታዊ ናይ ማሕበር ክፍሊት ክፈሉ ምባል ዝዘለለ ናይቶም ፀገም መናእሰይ ብምልላይ ንዝፈትሕ ኣካል
ክሓትት፣ ግንዛበ ክፈጥር፣ ንመናእሰይ ክውደቡን ወይ ከጠናክር ኣብ ስራሕ ክዋፈሩ ክድግፍ ኣለዎ፣
ኣብ መናእሰይ ዘሎ ተስፋ ምቁራፅ፣ህፀፅ ኩነታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምኳን ክስተካከል ምግባር የድሊ
ዝተፈላለዩ ጀሮጀክታት ብምድላው ብመልክዕ ድራማን ግጥምን ሳዕቤናት ዘይሕጋዊ ሰደት ኣስተምህሮ
ምሃብ፣ ባዕልቶም እቶም መናእሰይ ተሳተፍቲ ዝኾንሉ ዕድል ክፈጥር ኣለዎ፣
ንዝተወደበ ይኹን ብውልቀ ንዝሰርሕ መንእሰይ ከጠናክር ምግባር
ኣብ ዝግበሩ ተደጋጋሚ ዕዶታት ኣብ ክንዲ ሓደሽቲ ሞድየላት መናእሰይ ምፍጣር ንዝተወሰኑ ዝተለወጡ
መናእሰይ እናረኣኻ ምዕጋብ፣
1.10.2. ስድራ ቤት፣
ምክርን ማዕዳን ምሃብ
ሰራሕ ምፍጣር፣ እቲ መንእሰይ መማረፂ ክህልዎ ምግባር
ኩለ መዳይ ሓገዝ ንምግባር ቅሩብ ምኳን የድሊ
ብዝተክኣለ መጠን ነቲ መንእሰይ ክጭነቅ ዘይምግባር
ኣብ መሬት ዘሎ ስፊሕ ፀገም ብዝተኸኣለ መጠን ክትፈትሕ ምምካር/ ንኣብን ንፈርቂ ምሃብ፣ ከፍልካ ምሃብ፣
ብመስኖ ተወሳኪ ኣታዊ ክርከብ ምግባር/
14
1.10.6. ገባሪቲ ሰናይ ትካላት
1.10.7.ትካላት ትምህርቲ
መንቀሊታት፣ ሳዕቤናት፣ መከላከሊ መንገድታት ዘይሕጋዊ ስደት ንዝብሉ መመያያጢ ሕቶታት ምስ ቀረበሎም
እቶም ተሳተፍቲ 8 ናይ ትኩረት ጉጅለታት/72 ተሳተፍቲ/፣16 ፈምቲ ኣካላትን 5 ግዳይ ዘይሕጋዊ ስደት
መናእሰይ ብድምር 93 ተሳተፍቲ ዝሃብዎም ሪኢቶታት ዝስዕብ ይኸውን
1. መንቀሊታት ዘይሕጋዊ ስደት፣ ኣብ ዝብል
ድኽነትን ስእነት ስራሕን ብፋላይ 10 ይ ከፈልን ልዕሊኡን ዘለው ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይ፣
ኣተሓሳስባ፣ ኣዋሃህባ ግልጋሎት/ንሕቶ መጠሻ፣ ልቃሕ፣ መስርሒ ቦታ እዋናዊ መልሲ ዘይምሃብ/
ናይ ገረቤት፣ ወለዲ፣ ማሓዛን ዘይሕጋዊያን ደለልትን ፅዕንቶ ምህላው
ከባቢዊ ሕበረተሰብ/ መሬት ንመንእሰይ ክዕደል ዘይምፍቃድ/
ብመርበብ ዝራኸቡ ዘይሕጋዊያን ዳላሎ ዝቆፃፃር ኣካል ድኹም ምኳን
ኣብ ከተማታት ንመንእሰይ ዝኸውን መዘናግዒ፣ ዝተፈላለዩ ሞያዊ ትምህርቲ ዝረክብሉ ቦታታት
ዘይምህላው
ፀገም ምሕደራ መሬት፣ ፍትሓዊ ሃፈቲ ክፍፍል ዘይምህላው፣ ንድኻ ዝጥምት ኣይኮነን / ኣብ
መናእሰይ ለውጢ ንዘይብሉ በዓል ሃፈቲ መሬት ምዕዳል/
ተማሂሮም ስራሕ ብምስኣኖም፣ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሂወት ምግላል
ብወገን ሰብ ሞያ ሕጊ /ፀጥታ፣ ፖሊስ፣ቤት ፍርዲ/ ንደለልቲ ዘምህሩ ስጉምቲ ብዘይምውሳድ
ንስራሕ ስኡናት ዘጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ ልምዓት ኢንቨስትመንት ብወገን መንግስቲ ዝግበር
ፃዕሪ ትሑት ምኻን፣ /ንኣብነት ኣብ ጥቅሚ ከይወዓለ ብዙሕ ዓመት ዝገበረ ዝባክን መሬት/
15
ኣብ ከባቢ ጣብያ ዝርከቡ ከባቢያዊ ሃፍተ ገነት ንኣብነት መኣድን/እመኒ፣ ሑፃ፣ሓመድ/ ሃፍቲ
እንስሳ ኮንስተራክሽን ንክዋፈሩ ምዕባይ ግንዛበ፣ ሞያዊ ስልጠና፣ ቀረብ ግላጋሎት ልቓሕን ብሰብ
ሞያ ዝግበር ደገፍን ክትትልን ትሑት ምኻን
1. ዘይሕጋዊ ስደት ዘስዕቦም ሳዕቤናት ዝምልከት
ኣብ ተሰዳዲ ኣካል
ድኻም፣ ረሃብ፣ ብደለልቲ ዝበፅሑ ምንግልታዓት፣ ምፍርራሕ፣ መውቃዕቲ፣ ኣገዲድካ
ምድፋር/ንዝተፈላለዩ ሕማማትን ዘይተደለ ጥንስን ምቅላዕ፣ኣካልካ ምጉዳል፣ ምዝራፍ ኣካል
ተኽለ ሰውነት/ኮላሊት፣ ዓይኒ፣ልቢ ወዘተ /፣ ናብ ባሕሪ ምስማጥ፣ በቢ መንገዱ ድማ ኣደዳ ሞት
ምኻን
16
ሕ/ዋጅራት
5 ራያ ዓዘቦ 1335 34 301
6 ወረዳ ዓድዋ 14 11
7 ወረዳ ኦፍላ 269 2 59
8 ኣሕፈሮም 7737 912
ኣበ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ፣ ብገባሪ ሰናይ ውድብ ስደተኛታት ዓለም ዝተሓገዘ ተመላሲ ስደት
17
ኣብ ማሕብረሰብ
ምብራዝ ባህሊ /አከዳድና፣ ኣመጋግባ/
ምብዛሕ ዝፍፀሙ ዝተፈላለዩ ገበናት ወዘተ
ንምድኻም ባህሊ ስራሕ ፈጠራይነት የቃልዕ
2.ኣብ ምክልካል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ክውሰዱ ዝግበኦም ስጉምትታት እንታይ እንታይ
ክግበሩ ኣለዎም ኣብ ዝብል መመያየጢ ሕቶ መሰረት ገይሮም ዝሃብዎም ሪኢቶታት
ኣብቲ ከባቢ ሕብረተሰብን መንእሰይ ወለዶን ዘላቂ ምዕባይ ግንዛበን ኣስተምህሮ ምሃብን
ስሉጡን ፍትሓዊን ግልጋሎትበ ኣወሃህበን ምሕደራ ሃፍትን ክተኣታቶ ምግባር
ብወገን ሕብረተሰብ ፈፀምትን ኣካላት ፍትሕን ኣብ ምቅላዕን ሕጋዊ ስጉምቲ ኣብ ኻብሞያ
ትምህርትን ስልጠናን ዝተደገፈ ቀረብ ግልጋሎት ልቃሕ፣ መስርሒ ቦታ፣ ምትእስሳር ዕዳጋን
ክህልው ምስራሕ
ኣብ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ሰደት ፈፀምቲ ኣካላት ኣብ ትልሞሞን በጀቶምን ምክታት
ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እውን ዝካተተሉ መንገዲ ክህልው ምግባር
ከም ሃገርን ክልልን ድማ ናይ ስደት ፖሊሲ ተቐሪፁ ኣብ ስራሕ ክህልው ምግባር የድሊ
1.10.8. ዘይሕጋዊ ስደት ንምክልኻል ሕዚ ዘለው ዕድላት
ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምኻድ ዝኽፈል መጠን ክፍሊት ምብዝሑ / ከባቢ 300 ሽሕ ብር ምብፅሑ ዝከይድ
ሰኣን ገንዘብ እቲ ዝከይድ ሰደተኛ ንንኪ ዕድል ዝፈጥር እዩ/
ብምኽንያት ሕማም ኮሮና ዝወፁ ናይ ክልከላታት፣ መምርሕታትን ቁፅፅርን ምህላዎም /ብፍላይ ኣብ
መእተውን መውፅእን ኬላታት /
ምክረ ሓሳብ
18
19