You are on page 1of 20

ብምትሕብባር ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል

ኣብ ምክልካል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት መሰረት ገይሩ ዝተኻደ ውፅኢት ሓፂር ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ

መስከረም 2013 ዓ.ም

1. መሰረተ ሓሳብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት


 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ጉልበት፣ ገንዘብ፣ ንብረትን መንነት ደቂ ሰባት ምምዝማዝ (ዘበናዊ ባርነት)
ኣቢልካ ንውልቀ ረብሓኻ ንምርዋይ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝግበር ተግባር ምዝውዋር ኮይኑ:-

0
 ብምምልማል
 ብምጉዕዓዝ
 ንኻሊእ ኣሕልፍካ ብምሃብ
 ብምቕባል(ምሕባእ)
 ብሓይሊ /ኣፈራሪሕካ ምውሳድ፣ ምድፋር
 ኣታሊልካ ምውሳድ
 ናይ ስራሕ ዋጋኻ /ጉቡእኻ ዘይምኽፋል… ገበን ምዃኑ
 ዝተፈላለዩ መፅናዕቲታት ከም ዝሕብርዎ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ገበናት ምዝውዋር
ሓሽሻትን ዘይሕጋዊ ኣፅዋርን ቀፂሉ ብሳልሳይ ብርኪ ዝስራዕ ገበን እዩ። እዚ ገበን’ዚ
ብጣዕሚ ሕልኽላኽ ዝበዝሖ ተግባር ኮይኑ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት /መርበባትን
መንገድታትን ዝፍፀም ገበን እዩ።
1.1. ኣብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ዝዋስኡ ኣካላት:-
 መልመልቲ፣ ደለልቲ፣ ዘይሕጋዊያን መራኽብቲ ስራሕ፣ ዓደግትን ሸየጥትን፣ ናይ
ነዊሕ ርሕቐት መሽከርከርቲ፣ ቡና ቤትን ሆቴላትን፣ ሓወልቲ ገንዘብ፣ ብምፍላጥ
ይኹን ብዘይምፍላጥ መንግስቲ ሰራሕተኛታት፣ ጎረቤት፣ ኣባላት ስድራ ቤት፣
መሓዛ እዮም።
1.1.1. እቲ ገበን ሕልኽላኽ ዘብሎ ምኽንያት:-
 እቶም ንዘይሕጋዊ ስደት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዜጋታት (መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን) ምስ
ብጣዕሚ ቅርበት ዘለዎም ስድራ ቤት፣ ወለድን መሓዛን ብሕቡእ እናተማኸሩ ስለ ዝሰርሕዎ
 ብምሽጥር፣ ብዝተወደበን ዘይብተኽን መርበብ ስለዝፍፀም
 ሕገ-መንግስታዊ መሰል ከለላ ብምግባር ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝግበር መሰል ምዝውዋር/
ምንቅስቓስ ዝፈቅድ ዕድል ምህላው ብኡ ኣቢልካ ዝፍፀሙ ተግባራት ዘይሕጋዊ ስደት
 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ዝሳገሩ ዜጋታት ብገበን ዘሕትት ሕጊ ዘይምህላው /ተጎዳእቲ
እዮም ኢልካ ምድምዳም/
2. መእተዊ

ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ከም ዝሕብርዎ ኣብ ዓለምና ምዝውዋር መዐወንቲ እፅን ዘይሕጋዊ ኣፅዋር ቀፂሉ

ኣብ ወዲ ሰብ ሓዳጋ ካብ ዝስዕቡ ዘለው ብሳልሳይ ብርኪ ዝስራዕ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ሓደ

እዩ። ብተወሳኪ ኣብ ዓለም ዘሎ ኩነታት ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት እንተወሲድና፣

1
 ብ 2017 ኣ.ፈ መፅናዕቲ ውድብ ስደተኛታት ዓለም ከምዝሕብሮ ብብርኪ ዓለም

ኣስታት 258 ሚሊዮን ዝኸውን ስደተኛታት ካብ መበቆሎም ተሰዲዶም ኣብ ካልኦት


ሃገራት ይነብሩ፣
 እዚ በዝሒ ስደተኛታት እዚ ድማ ካብ ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ ዓለም 3.4 ሚኢታዊ እዩ

 ብተወሳኺ ካብዚ ቁፅሪ ስደተኛታት’ዚ 14 ሚኢታዊ ህፃናት ከምኡ ድማ 48.8


ሚኢታዊ ደቂ ኣንስትዮ ምኳነን የረድእ፣
 ብብርኪ ዓለም ኩነታት ስደተኛታት ዝምልከት ኣብ 2017 ኣ.ፈ 6163 ሰደተኛታት ኣብ

ስደት ብዘጋጥምዎም ፀማት ከምዝመቱን ብተመሳሳሊ ኣብ 2018 ኣ.ፈ 2546


ሰደተኛታት ከም ዝሞቱ መረዳእታት የቅምጡ፣ ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት
እውን ሃለዋቶም ዘይተፈለጡ አላው፣
ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ድማ ብምኽንያት ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት
ብጅምላ ሞትን ከበድቲ ሓደጋታትን ዝፍፀመሉ ከይዲ እዩ፣ ንኣብነት ክሳብ ሕዚ ኣብ
ከቢድ ናይ ሞትን ሕየትን ሂወት ኣብ ሳውዲዓረብ ዝሳቀዩ ዘለው ብርክት ዝበሉ ዘጋታት
ምጥቃስ ይከኣል፣
ፎቶ ….. ናይ ሰውዲ ዓረብ መንእሰይ

ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ስደት ዝጋደደሉ ምኽንያት እንተወስድና ከም መቦቀል


(origin)፣ መሰጋገሪትን ( transit) ተቐባሊትን ስደተኛታት ስለ ዝኾነት እዩ። ከም
ኣብነት
1. መበቆል (Origin):- ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ትውልደ ኢትዮጵያውያን
ብዝተፈላለተየ መንገድታት ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ናብ ሳውዲ
ዓረብያን፣ ደቡብ ኣፍሪካን ኣውሮፓን ከም ዝስደዱ
2. መሰጋገሪት (Transit):- ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፍላይ ናብ ኣውሮፓ
ክስደዱ ዝዓለሙ ካብ ሃገረ ኤልትሪያን ሱማሊላንድን ዝመፁ ስደተኛታት ከም
መሰጋገሪት ሃገር ኮይና ተገልግል
3. ተቐባሊት (Destination):– ልዕሊ 820 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ሶማሊያ፣

ኤልትሪያን ደቡብ ሱዳንን (ዕቑባ ዝሓቱ ስደተኛታት ( refugees) ተቐቢላ


ተተኣናግ ሃገር ምኳና ኣብ ዘይሕጋዊ ሰደት ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድር

2
 ብተመሳሳሊ መብዛሕቲኦም ንስደት ተቓላዕቲ ዝኾኑ ዜጋታት ኣብ ከባቢታት ገጠር ዝነብሩ መናእሰይ

ከምዝኾኑ ፣ ዝጥቀምሎም መውፅኢ በርታት ድማ :-

1. ምስራቕ በሪ(The Eastern Route): - እዚ መውፅኢ በሪ’ዚ ናብ ሃገራት


ማእከላይ ምስራቕ ብዋናነት ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝወስድ መንገዲ ኩይኑ ብ ጅቡቲ፣
የመንን ሶማሊያን ኣቢሎም ዝሰጋገርሉ መንገዲ እዩ።
2. ደቡብ በሪ(The Southern Route):- ስደተኛታት ብዋናነት ብኬንያ፣
ታንዛንያ፣ዛምቢያን ማላዊን ኣቛሪፆም ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝበፅሕሉ መንገዲ እዩ።
3. ሰሜን በሪ(The Northern Route): - ብኣንፈት ሱዳን፣ ሊብያን ጁቡቲን
ዝወስድ መንገዲ ኮይኑ ሃገረ ሊብያን ሱዳንን ከም መብፅሒ ኮይነን ዘገልግላ ሃገራት
እየን። ካብዚ ብተወሳኺ ናብ ሃገረ ኣውሮፓን ማእኸላይ ምብራቕን ከም መሰጋገሪ
መንገዲ ኮይነን ድማ የገልግላ።

3
ኣብነት መፅናዕቲ ውድብ ስደተኛታት ዓለም ከምዝሕብሮ ካብ 2012 – 2016 ኣ.ፈ ብኣንፈት
ምብራቕ በሪ ኣቢሎም ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ የመን ዝተሳገሩ ኢትዮጵያውያን እንተወስድና

2016 --- ----------------------------97,000

2015---------------------------------82,268

2014-------------------------------- 71,907

2013-------------------------------- 54,213

2012-------------------------------- 84,376 = Total = 389,764


ኣብዚ ከባቢ ዝግበር ጉዕዞ ገበናት ካብ እዋን ናብ እዋን ይውስኽ ከም ዘሎ፣ ኣብቲ ከባቢ ዋላ
ኲናት ይሃሉ ናብ ስዑዲ ዓረብ ምስጋር ዝግበር ሙኮራ ጉዕዞ ከምዘየቋረፀ ካብቲ መረዳእታ
ምርዳእ ይከኣል ።
 ካብ ስደት ዝተመለሱ መረዳእታ ስደተኛታት ሃገርናን ክልልናን

4
በቢ ክልሉ ዝገልፅ መረዳእታ
ተመለስቲ ስዑዲ ዓረብ
• ኣዲሰ ኣበባ 4,223
• ክልል ዓፋር 3,306
ካብ ታሕሳስ 2017- ጥሪ
• ክልል
2019 ኣ.ፈ.ኣብ ዘሎ ግዘ
ካብ ስዑዲ ዓረብ
ቤ/ጉሙዝ 310
ዝተመለሱ ስደተኛታት • ክልል
ጋምቤላ 57
• ከተማ
ድሬዳዋ 939
• ክልል
ኣምሓራ 66,197
• ክልል
ኦሮሚያ 63,665
• ክልል ደቡብ 7,174
• ክልል
ሶማሊያ 513
• ክልል ትግራይ 57,216

5
• ሰ/ሽዋ 4,686
• ሰ/ወሎ 13,476
• ኦሮሚያ ፍሉይ
ኣምሓራ 10,725
ዞባ
• ደቡብ ወሎ 10,451
• ም/ጎጃም 693
ኦሮሚያ • ኣርሲ 8,633
• ባሌ 4,303
• ምብ/ሃረርጌ 8,785
ብብርኪ • ጅማ 9,130
ክልልን ዞባን • ምዕ/ወለጋ 525
• ምዕ/ኣርሲ 2,494
በዝሒ • ምዕ/ሃረርጌ 4,056
• ዞባ ማእከል 3,209
ተመለስቲ • ዞባ ምብራቕ 13,767
ስዑዲ ዓረብ ትግራይ
• ሰ/ምዕራብ 2,534
• ደ/ምብራቕ 4,379
• ደቡብ 10,503
• ጉራጌ 522
ደቡብ
• ስልጤ 1,927
ኣኣ • ኣኣ 1,212
ብምኽንያት ኮቪድ -19 ኣብ 2012 ዓ.ም ካብ መንገድን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝተመለሱ መረዳእታ ስደተኛታት
ተጋሩ /ካብ ሳውዲዓረብ፣ ሊባኖስ፣ የመን፣ ሊቭያ፣ ጀቡቲ፣ ስማሊ፣ ካብ መንገዲ ጅግጅጋ

6
ዞባ ፆታ
ተባ ኣነ ድምር
መቐለ 19 22 41
ማእከል 265 106 371
ምብራቕ 655 139 794
ምዕራብ 49 5 54
ሰሜን ምዕራብ 225 114 339
ደቡብ 535 66 601
ደቡብ ምብራቕ 313 77 390
ሓፈሻዊ ድምር 2123 548 2671
ተመለስቲ

3. ዕላማ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ


 ኣብ ምክልካል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ዝስርሑ ዘለው ተግባራት፣ ሕዚ ዘሎ ህልው ኩነታትን
ብምድህሳስ ፅቡቃት ተሞኩሮታት ንምስፋሕን እቶም ክፍተታት ድማ መፍትሒ ክረክቡ ንምግባር፣

2.2. ሜላ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ


ሽፋን ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ዝተካየደለን ወረዳታት 8 ወረዳታት/ከተማታት ኮይነን ራያ ዓዞቦ፣ ኦፍላ፣

ሕንጣሎ ዋጅራጥ /ሕንጣሎን ከተማ ዓዲጉዶምን/፣ ኣፀውንበርታ፣ ሳ/ፃ/እምባ፣ ኣሕፎሮም፣ ኢሮፕን


ወረዳ ዓድዋን እየን። ዝወስዶ ግዘ ድማ 16 መዓልቲታት እዩ።
ነዚ ከይዲ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ዝተጠቐምናሎም ሜላታት
 ፅሕፋዊ መሕትት - 304 ሰባት/ ኣብ ነወሰከፍ ወረዳ 38 መላእቲ መሕትት/

 ትኹረት ጉጅለ ምይይጥ (Focus Group Discussion) ኣብ 8 ወረዳታት ዝርከባ 8 ንሰደት ተቓላዕቲ

ዝኾና ጣብያታት ካብ 7-11 ኣባላት ዘለዎም 8 ናይ ትኩረት ጉጅለ / 72 ኣባላት ተሳቶፎም/

 ኣብ ባይታ ወሪድካ ምዕዛብ (Field Visit) ስራሕ ዘይብሎም ፣ ንተመለስቲ ስደት መናእሰይ ብምርካብ፣

ወሰንቲ ኩለ መዳይ ሓበርታ ዘለዎም 18 ፈፀምቲ ኣካላት ኣብ ወረዳን ጣብያን ቃለ መሕትት ተገይርሎም

ብተወሳኺ 5 ወገናት ድማ ግዳይ ዘይሕጋዊ ስደት ዝኾኑ ዜጋታት ታሓቲቶም እዮም፣

7
 ጠቕላላ ብዝተፈላለየ መንገዲ ሓሳቦም ዝገልፁ በዝሒ ተሳተፍቲ 397 እዮም
 ዝተፈላለዩ ፅሑፋዊ መረዳእታ ሰነዳት እውን ተጠቒምና ኢና፣ ነዚ ዝተኻየደ ሜላ መፅናዕቲ ድማ ብቪድዮ
ካሜራ ዝተሓገዘ ምስሊ ንምውሳድ ተገይሩ፣
ትንተናን ውፅኢትን ዳህሳሰዊ መፅናዕትን
1. ሓፈሻዊ ሓበሬታ

ፆታ ኩነታት ኩነታት ዕድመ ኩነታት ስራሕ ሪኢ


ደረጃ ትምህርቲ ቶ
መንግስታዊ ብውልቀ ዘይብሉ/ላ
ኣነ ተባ
10 ይ ድፕሎማ ድግሪን 18 26 ልዕሊ
ክፈልን ልዕሊኡን
- - 46
ትሕቲኡ

25 45
10 19 91 38 175 47 20 53 89 147 68
6 8 4

1.1. ኣብ ኸባቢኹም ንምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት መሰረት ዝገበሩ ግንዛበ


መዕበይ ኣስተምህሮታት ኣብ ምሃብ ከመይ ይገልፅዎ ? ሀ. ትሑት ለ.ማእኽላይ
ሐ.ኣዕጋቢ መ. ልዑል ረ.ኣዝዩ ልዑል ሰ. ፈፂሙ ኣይወሃብን ካሊእ ሓሳብ እንተሃልዩ
ድማ ይዘርዝሩ ኣብዚ መዳይ ካብቶም ሪኢቶ ዝሃቡ ኣካላት
ሰደቃ 2.
ትሑት ማእከላይ ኣዕጋቢ ልዑል ኣ/ልዑልፈፂሙ መብርሂ
ኣይወሃብን
149 109 20 16 4 6
ብቃለ መሕትት ካብ 304 ዝተሓተቱ ተሳተፍቲ 149 / ሚኢታዊ / ትሑት ኢሎም፣ ኣብዚ ትሑት ዝበልሉ ምክንያት
ድማ እቲ ነይሩ ነይሩ ዝወሃብ ኣስተምህሮ እውን ብዘላቅነት ስለ ዘይብሉ ብዙሕ ዝሕግዝ ዘይምካኑ ፣ ነቲ ኣብቲ ከባቢ
ዘሎ መንእሰይ ኣብ ግምት ዘእተወ ስለዘይኾነ ፣ ትሑት ጠመተ ምህላው፣ ብምኽያት ኮቪድ 19 ዘተ ጠጠው ብምባሉ ፣
ኣብ ሕብረተሰብ ድማ ምቁርራፅ ምህላውን ዝምልከቶ ኣካል ሸለል ስለ ዛበሎን ትሑት ዝበልሉ ምክንያት ምኳኑ
ይገልፁ፣

እቶም 109 ድማ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ዘውውር ደቂ ሰባት ኣብ ከበባቢና ዝውሃብ ኣስተምህሮ ማእከላይ እዩ ዝበሉ እዮም፣
ምክንያቶም ድማ ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝወሃቡ ኣስተምህሮታት እንተሃለው ንመናእሰይ ካብ ምኳድ ዝድሕኑ
ኣይኾኑን፣ ኣብ መናእሰይ ዘብፀሖ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ብዝግባእ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣስተምህሮ ስለ ዘይወሃብ ምኳኑን
እዮም ይብሉ፣

8
እቶም 20 ድማ ኣዕጋቢ ዝበሉ እዮም፣ 16 ልዑል ፣ 4 ኣ/ልዑል እቶም 6 ፈፂሙ ኣይወሃብን ዝበሉ እዮም፣ ኣብዚ ድማ
ብፍላይ ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝወሃባ ኣስተምህሮታት ከም ዘሐሻ ጅማሮታት እየን ይብሉ፣ ልዑልን ኣ/ልዑልን ዝበሉ
እውን ከምኡ ኣብ ዘተ ማሕበረሰብ፣ ሐደጋ ሞት እንተጋጥም ዝፍጠር ግንዛበታት ገሊኦም ምኳኖም ይገልፁ፣

ብኣጠቃላሊ ግን ኣብዚ ዘሎ ኩነታት እንትንርኢ እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ውፅኢት እቲ ዝበዝሐ ትሑት ዝብል እዩ። ስለዚ
ብፍላይ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ኣስተምህሮታት ምክልካል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ምስ ዝተፈላለዩ
ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ተግባራዊ ምግብር ከም ዘድሊ እዩ ዘመላክት፣

1.2. ኣብ ትግራይ መናእሰይ ብዘይሕጋዊ ዝውውር ክዛወሩ ዝገብርዎም ቀንዲ መበገሲታት እንታይ እንታይ
እዮም? ንዝብል ሕቶ ብ 304 ፅሑፋዊ መሕትት፣ 8 ትኩረት ጉጅለ ምይይጥ፣ 21 ቃለ መሕትት ዝሃብዎ
ሪኢቶ
 ስእነት ስራሕ፣ ድኽነት
 ንመናእሰይ ዝወሃቡ መስርሒ ቦታት ኣብ ምንታይ ረብሓ ከም ዘሎ ቁፅፅር ዘይምግባር፣
 ንመናእሰይ ኣጉል ተስፋ ምሃብ
 ወረዳ ኮማንድ ስርሑ ብዘይምውፅኡ፣ ንደላሎ ዝቆፃፀር ኣካል ዘይምህላው፣
 ግንዛበ ምንኣስ፣ ካብ መንግሰቲ ጥራሕ ስራሕ ከመቻቸውልካ ምፅባይ ብሓፂሩ ተስፋ ምቑራፅ
 ፀገም ቐረብ ልቃሕ፣ መጠን ልቃሕ ወለድ ምብዛሕ፣ ቀረብ መሬት ዘይምህላው፣ መሰልን ጉቡኡን ዘይምርዳእ
 ዓርከይ ሓደገኒ ኢልካ ምጉዓዝ፣ብኣቛራጭ ንምህፍታም፣ ተፃዋራይ ዘይምኳን /ተሎ ኢልካ ምቁጣዕ/
 ፀገም ወይ ሕቶ መንእሰይ ሰሚዕኻ ጉቡእ መልሲ ዝህብ ኣካል ዘይምህላው፣ ምስ ወለዲ ብዘይምርድዳእ
ዝፍጠሩ ፀገማት፣ ፀገም መናአሰይ ማሕበረሰብ ወይ ወለዲ ክፈትሑ ቁሩባት ዘይምኳን፣ ምስ ኮነ እምበር
ቅድሚ ምካኑ ሓሲብካ ዘይምሕጋዝ ፀገም
 ንዝተምሃረ ወገን ዝኸውን ዕድል ስራሕ ዘይምህላው
 ደለልቲ ምህሎው፣ ድለላ ከም ሓደ መማረፂ ስራሕ ገይርካ ምውሳድ፣ ብጉጉይ ሓበሬታ ምእማን
 ብሕጋዊ መንገዲ ንምካድ ዘሎ ግልጋሎት ስሉጥ ዘይምካን፣ ዝክፈል ክፍሊት ውሕድ ምካን ካብኡ ድማ ነቲ
ዘይሕጋዊ ምምራፅ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ምካድ ኪሳራ ምካኑ ብደለልቲ ዝንዝሑ ወረታት ምእማን

1.3. ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ምስቲ ሕዚ ዘሎ ሃገራዊ ኹነታት እውን ብምትእስሳር ይውስኽ ዶ ኣሎ
ወይስ ይንኪ ? ሀ. ይውስኽ ኣሎ ለ. ይንኪ ኣሎ ምላሾም ይውስኽ ኣሎ ወይ ይንኪ መበሊኦም
ምክንያት ይግለፁ/ላ
ሰደቃ 3.

ይውስክ ኣሎ ይንኪ ኣሎ መብርሂ

132
172 304

1.3.1. ብቃለ መሕትት ካብ 304 ዝተሓተቱ ተሳተፍቲ 132 /43.4 ሚኢታዊ /ይውሰክ ኣሎ ኢሎም፣ ኣብዚ
ይወሰክ ኣሎ ዝበልሉ ምክንያት ድማ መንእሰይ ተኮር ስራሕ ዕድል፣ግልጋሎት ቀረብ ልቃሕ ዘይምህላውን

9
ዝለዓለ መጠን ወለድን፣ ትሑት ባህሊ ስራሕ መንእሰይ ብምህላው፣ ናይ ጎረቤትን ወለድን ፅዕንቶ
፣ብኣቃራጭ ክትህፍትም ምድላይን እቶም ቀንዲ እዮም ምኳኖም ይገልፁ፣
እቶም 172 /56.6 ሚኢታዊ/ተሳተፍቲ ድማ ይንኪ ከም ዘሎ ገሊፆም፣ ምክንያት ይንኪ ኣሎ
መበሊኦም እነትገልፁ ድማ ፣ ብምክንያት ኮቪድ 19 ዝወፁ ሃገራውን ዓለም ለካውን ክልከላታት፣
ብመራሕቲ ሃይማኖት ዝወሃቡ ኣስተምህሮታትን ዘተ ማሕበረሰብን እዮም፣
ኣብዚ ዘሎ ኩነታት እንትንርኢ ዋላ ይንኪ ኣሎ ዝብል እንተዛየደ እውን ብወድዓዊ ምክንያት እምበር ዘላቂ
ለውጢ ከም ዘይብሉ የመላክት፣
1.4. ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ንምንካይ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሐቲ ዘሎ መንግስታዊ ኣካል ሓዊስካ ንኩሎም
መደረግቲ አካላት ተዋዲድካ ምስራሕ ዘሎዎ ደረጃ ከመይ ይገልፅዎ ? ሀ.ትሑት ለ.ማእኸላይ ሐ.ልዑል
መ.ኣዝዩ ልዑል
ምላሾም ትሑቱን ብጣዕሚ ትሑትን እንተኾይኑ ምኽንያቱ እዩ ይብሉ/ላ
ሰደቃ 4.

ተ.ቁ ትሑት ማእከላይ ልዑል ኣ/ልዑል ድምር


1. 229 58 11 - 304
1.4.1. ካብ 304 መላእቲ ፅሑፋዊ መሕትት ትሑት ዝበሉ 229 /75 ሚኢታዊ/ ምክንያቱ ከም መደብ ትኩረት
ኣይገበረሉን፣ኣብ መናእሰይ ተወዲብካ ምስራሕ ዘሎ ትሑት ኣተሓሳስባ፣ ፀገም መንግስታዊ ማሓውር/
መሃያይ ኣየጉደሊኒ እምበር እንታይ ኣእተዊ ዝብል መንግስታዊ ፈፃሚ ኣካል ምህላው አዮም፣ ማእከላይ
ዝበሉ 58 /19 ሚኢታዊ/፣ ልዑል ዝበሉ 11/.00036 ሚኢታዊ/፣ ኣ/ለዑል ዝበሉ - የለውን ፣ ሓሳቦም
ዘይገለፁ - 6 እዮም፣
ኣብዚ ዘማላክት ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ንምንካይ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሐቲ ዘሎ መንግስታዊ ኣካል
ዝህቦ ጠመተ ኣዝዩ ትሑት ምኻኑ እዩ፣

1.5. ብናሃቶም ትዕዝብትን ገምጋምን ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ኣብ ምግዳድን ቀንዲ ተዋሳይ መን እዩ
ይብሉ፣ ሀ. ስድራ ለ.ደላላይ ሐ.መንግስታዊ መሓውር መ.ወደበ ስደተኛታት ዓለም /IOM/
ሰደቃ 5

ስድራ ቤት ደላላይ መንግስታዊ ውድብ ድምር መበርሂ


መሓውር ስደተኛታት
ዓለም
57 178 40 29 304
ካብ 304 መላእቲ ፅሑፋዊ መሕትት ስድራ ዝበሉ 57 /18.75 ሚኢታዊ/ ደለልቲ 178/58.55
ሚኢታዊ፣መንግስታዊ ኣካላት 40 /13.16 ሚኢታዊ/ ውድብ ሰተደኛ ዓለም 29 /9.54 ሚኢታዊ/ ምክንያቱ
ንደላላይ ዝግበር ቁፅፅርን ዝወሃቦ መምሃረይ ስጉምቲ ትሑት ምኻኑ እዩ ዘረድእ።

ኣብዚ እቶም መላእቲ መሕትት ብዘሃብዎ ሓሳብ መሰረት ኣብ ምግዳድ ዘይሕጋዊ ስደት ተወሳእቲ ኣካላት ዝበሃሉ
ብቅደም ሰዓብ እንትቅመጡ ደለልቲ 178/58.55 ሚኢታዊ/፣ስድራቤት 18.5 ሚኢታዊ/፣ መንግስታዊ ኣካል
13.16 ሚኢታዊ/፣ ውድብ ስደተታት ዓለም ድማ 9.54 ሚኢታዊ ኮይኑ ኣብዚ እቲ ውፅኢት ከም ዘማላኽት
ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ኣብ ምግዳድን ቀንዲ ተዋሳይ ደላላይ እዩ፣ ግደ ስድራ ቤት መንግስታዊ ኣካለትን
እውን እጃም ኣለዎም እዩ።

10
1.6. ኣብ ወረዳን ጣብያን ዘሎ ግብረ - ሓይሊ ኣብ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ንመኮብለልቲ/
ደለልቲ/ ተኸታቲልካ መምሃራይ ስጉምቲ ኣብ ምሃብ ዘሎ ምንቅስቃስ ኣመልኪቱ ብ 304 መላእቲ ፅሑፋዊ
መሕትት ዝተውሃቡ ሪኢቶታት፣
 ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ገብሪ ሓይሊ ዝህቦ ጠመተ ትሑት እዩ ፣
 ደለልቲ ኣብ ሕበረተሰብ ክቃልዑ ዘይምግባር ሕበረተሰብን መኽበርቲ ሕግን ተዋዲድካ ዘይምስራሕ ፣
 ብወገን ወለድን ስደት ተቃላዕቲ መናእሰይ ብደለልቲ ዝተሓተትዎ መጠን ገንዘብ ሓበሬታ እንትቐርብ
ዝምልከቶ ኣካል ቁልጡፍ ፍታሕ ዘይምሃብ፣
 እቲ ግብሪ ሓይሊ ዝበሃል ብደለልቲ ዝበፅሖ ጥቅዓት ዝቅበል እምበር ፍታሕ የበሉን፣ ወይ ድማ ንደለልቲ
ኣሕሊፉ ዘይህብ ኣካል እዩ ዘሎ፣
 ንደለልቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ከይዲ ድለሎኦም ዘጠናክር እምበር ዘቃልል ኣይኮነን
 ሕብረተሰብ ንዘይሕጋዊያን ደለልቲ ኣብ ምቅላዕ ይኩን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰደሎም ዝግበር ምትሕብባር
ትሑት ምካን
 ደለልቲ ሂወት ሰብ ዝኣክል እናጥፍኡ እቲ ናይ ፍትሒ ኣካል ብ 100 ሽሕ ዋሕስ ምስዳድ ነቲ ፀገም ዘጋድድ
እምበር ዘቃልል ኣይኮነን፣ ብናይ ሕጊ ኣካላት
 ኣብ ወረዳን ጣብያን ዘሎ ግብረ ሓይሊ ነቲ ፀገም ብዕምቆት ብምርዳእ ዝሰርሕ ኣይኮነን
 እቲ ግብሪ ሓይሊን ናይ ፍትሒ ኣካላትን ከባቢ ማሕበረሰብን ስሚዒት ናተይነት ስለ ዘይብሉ ተዋድድካ
ምስራሕ የለን፣
 ካብ ስደት ዝምለሱን ንስደት ዝኸዱን ብዘይካ ቤተሰብ ዝቆፃፀር አካል የለን
 ኣባላት ግብሪ ሓይሊ ከም ፖሊስ፣ ኣካላት ፍትሒ ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋ ድለላ ንዝሳተፍ ኣካል ብሕጊ ዋግኡ
ከይረክብ ባዕሎም ሸምገልቲ ይኾኑ እዮም፣
 ንምክልካል ዘይሕጋዊ ስደት ተባሂሉ ኣብ ትልምን በጀትን ዘይምክታት
 ንስደት ምኳድ ከም ፀገም እንተይኮነስ ከም ዘመናዊነት ገይርካ ምውሳድ
 ካብ ዘረባ ሓሊፉ ብተግባር ዝሰርሕ ግብሪ ሓይሊ የለን
 ኣብ ካልኦት ክልላትን ሃገራትን ዘለው ደለልቲ ዝግበር ምቁፅፃር ትሑት ምኳን፣

1.7. ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ብቐንዱ ተሓታታይ ክኸውን ዘለዎ ኣካል መን እዩ ንዝብል
ዝቀረበሎም ሕቶ እቶም 304 ተሳተፍቲ ዝሃብዎ መልስን ምስ ምኽንያቱ እንትገልፁ፣
 በቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ንደለልቲ ዝቆፃፀር ኣካል መንግስቲ ጥራሕ ገይርካ ምርዳእን ምወሳድን
 ወለዲ፣ ደለልቲ፣ ተመለስቲ እቲ ከባቢ ተሓተትቲ ምኳኖም
 ሕብረተሰብን ዝምልከቶ ኣካልን
 መንግስታውን ውልቀን ትካላት ባንኪ
 ንዘይሕጋዊ ተግበራት ስደት ዝፈፅምን ዝሓስብን
 ንዘይጋዊ ተሰዳዳይ /ኣብ ክንዲ ገበነኛ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ተጎዳኣይ እዩ ብዝብል ምርዳእ/
 ዝተወሰኑ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝሃፍተሙ መርኣያ ዝኮኑ ውልቀ ሰባት
 ንመናእሰይ ኣብ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ዘይሰርሕ ኣካል
 መንግስታዊ ኣካላት ኣብነት ጉዳይ መናእሰይ፣ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ ደ.ኣ.ን.ትን ካልኦትን
 ምውፋር ወፃኢ ዓዲ ስራሕ ዝወሃብ ግልጋሎት ስሉጥ ዘይምኳን
 ኣካላት ፍትሕን በቢ ብረኩ ዘለው ሓለፈትን

11
 ኣብ ምፍታሕ ስደት መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ዘይምህላው
 ንዘይሕጋዊ ስደት ዘተባብዑ ወላድን ቤተሰብን
 ኣብ ዳለሎ ዘሎ ዘይዛሪ ሰንሰለች ዘየምክን ኣካል
1.8. ንምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ንቐፃሊ እንታይ ክግበሩ ኣለዎም ይብሉ /ላ ንዝብል ሕቶ ብ
304 ፅሑፋዊ መሕትት፣ 8 ትኩረት ጉጅለ ምይይጥ፣ 21 ቃለ መሕትት ከም መፍትሒ ሐሳባት ኢሎም
ዘቀመጥዎም ሪኢቶታት
 ትምህርቲ ማንዛ ንማንዛ ምትእትታው፣ ብመዳይ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ቤተ እምነቶም ኣስተምህሮ
ክወሃብ ምግባር የድሊ
 ኣማራፂ ሕጋዊ መንገዲ ብዝተጠናከረ ኩነታት ክቅፅል ኣለዎ
 ጉዳይ ምክልካል ዘይሕጋዊ ስደት ጉዳይ ኩሉ ሕብረተሰብን መንግስታዊ ኣካልን ክኸውን ምግባር
 ብመዳይ መንግስታዊ ኣካላት መንእሰይ ተኮር ስራሕ ዕድል ፈጠራ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ከመሓየሽ ምግባር፣
ኣብነት ኣብ ምምፃእ ለውጢ ባህሪ መናእሰይ፣ ኣወሃህባ ሞያዊ ስልጠና፣ ቁልጡፋ ፍትሓዊ ግልጋሎት
ቀረብ ልቃሕ
 ብወገን ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ተዋድድካን ተጠናኪርካን ምስራሕ
 ብመዳይ መንእሰይ ተወዲቡን ተጠናኪሩን ዝሰርሓሉ ኩነታት ምምችቻው
 መናእሰይ ብመሰረት ጠለቦም ኣብ ስራሕ ክፅምዱ ምግባር፣ መንግስቲ ምስ መዳርግቲ ኣካላት
ብምትእስሳር ዕድል ስራሕ ምፍጣር
 ሓደጋ ወይ ሳዕብየን ዘይሕጋዊ ስደት ኣመልኪቱ ኣብ ሕብረተሰብ ተደጋጋሚ ኣስተምህሮ ምሃብ
 መንእሰይ ተኮር ሓገዝ ተዘዋዋሪ ልቃሕ ምትእትታው፣ ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ዘለው ፀገማት መናእሰይ
ክፍትሑ ምግባር፣ ቁልጡፍ ግልጋሎት ክረክቡ ምግባር
 ኣብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ዘለው ትካላት ልምዓት መንእሰይ ትኩረት ገይሮም ክሰርሑ ምግባር
 ህዝብን መንግስትን ብሓባር ምሰራሕ ዘክእል ስርዓት ኣወዳድባ ምትእትታው
 ኣብ ዓዶም ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝነኣሰ ዕድል ስራሕ ምፍጣር
 ጉዳይ መናእሰይን ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን እናተከታተለ ውዳበ ምትዕርራይን ንዘጋጥሙ ፀገማት ብእዋኑ
ፍታሕ ምሃብ
 ጠንቂ ሰናይ ምምሕዳር ዘበሃሉ ፈሊካ ብምሓዝ መፍትሒ ምትእልላሽን ንመንእሰይ ዝከውን ንፁር ፓኬጅ
ልምዓት ምውፃእን ምትግባርን
 ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ በቲ ሕዚ ብርእሰ ምምሕዳር ዝምራሕ ዘሎ ሓዱሽ ኣወዳድባ ተጠናኪሩ ክቅፅል
ምግባር፣
 ብማሕበር ይኩን ብውልቀ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ምጥንካርን
 ኣብ ዝውውር ደቂ ሰባት ዝተዋፈሩ መከብለልቲ መምሃራይ ዝኮነ ስጉምቲ ምውሳድ
 ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዝተወደበ ግብረ ሓይሊ ክህልው ምግባር
 ዘይሕጋዊ ስደት ንምክልካል ዝሕግዝ ፖሊሲ ክተኣታቶ ኣለዎ
 ባዕሉ እቲ መንእሰይን ማሓር መናእሰይን ኣብ ምልዋጥ ኣተሓሳስባ መናእሰይ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ፣
 ስርዓት ክትትልን ደገፍን መንግስቲ ተጠናኪሩ ክቅፅል ኣለዎ
 ንመናእሰይ ቀረብ መስርሕን መሸጥን ቦታ ክወሃብ ኣለዎ
 ኣብ ከይዲ ዕድል ፈጠራ ስራሕ ዝውስን ግልፂ ዝኮነ መሓውር ምቅማጥ
 ምስ መንእሰይ ተዳጋገሚ ምርድዳእን ኣብ ፈጠራ ስራሕ ልውውጥ ተሞኩሮ ምክያድ
 ምስፍሕፋሕ ማእከላት መዘናግዒ መናእሰይ የድሊ

12
1.9. ኣብ ትግራይ ዘለው ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ኣብ ምክኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ዘለዎም እጃም
ኸመይ ይገልፅዎም ? ሀ.ትሑት ለ.ማእኽላይ ሐ. ልዑል ምላሾም ትሑት እንተኾይኑ ምኽንያቶም ይግለፁ
ንዝብል ሕቶ እቶም 304 ኣካላት ዝሃብዎ ሪኢቶ

ትሑት ማእከላይ ልዑል መብርሂ


98 132 74
ካብ 304 መላእቲ መሕትት ትሑት ዝበሉ 98 /ሚኢታዊ/ ትሑት ዝበልሉ ምክንያት እቲ ኣብ ስደት ኣብ
ዝተፈላለዩ ወገናት ዝበፅሕ ዘሎ ከቢድ ፀገም ብዘአምን ኣገባብ ናብ ህዝቢ ኣብ ምትሕልላፍ ሰፋሕቲ
ክፍተታት ምህላዎም፣ ንኣብነት
 ብዶክምንተሪ ፊልም ሰርሕኻ ዘይምቅራብ፣
 ብተዋሰኦ ደጊፍካ መምሃራይ መደብ ዘይምስራሕ
 እቲ ዝህበኦ ሸፋን እኹል ዘይምኳን
 ኣብ ባይታ ወሪድካ እቲ ዘሎ ኩነታት ተገንዝብካ ዘይምስራሕ፣ ወይ ንኣመራርሓ /ሓለፍቲ/
እንተረኺብካ ምዕጋብ
 ሚድያን ኮሙኒክሽንን ብዘላቂነት ዘይምስራሕ፣ ጅምር ሕድግ ምባል
ብመስረት ተዋሂቡ ዘሎ ሪኢቶ ዘሎ ምንቅሰቃስ እኳ እንተሃለወ ኣብዞም ተቀሚጦም ዘለው
ፀገማት ቱኹረት ሂብካ ምስራሕ የድሊ፣
1.10. መዳርግቲ ኣካላት እንታይ ክግበሩ ይግበኦም ይብሉ/ላ ? ንዝብል ን 304 መላእቲ መሕትት፣8 ትኩረት
ጉጅለ፣16 ፈምቲ አካላት ወረዳን ጣብያን፣5 ግዳያት ብዝቀረበሎም ሕቶ መሰረት ዝሃብዎ መልሲ

1.10.1 .ማሕበር መናእሰይ፣

13
 ካብ ዓመታዊ ናይ ማሕበር ክፍሊት ክፈሉ ምባል ዝዘለለ ናይቶም ፀገም መናእሰይ ብምልላይ ንዝፈትሕ ኣካል
ክሓትት፣ ግንዛበ ክፈጥር፣ ንመናእሰይ ክውደቡን ወይ ከጠናክር ኣብ ስራሕ ክዋፈሩ ክድግፍ ኣለዎ፣
 ኣብ መናእሰይ ዘሎ ተስፋ ምቁራፅ፣ህፀፅ ኩነታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምኳን ክስተካከል ምግባር የድሊ
 ዝተፈላለዩ ጀሮጀክታት ብምድላው ብመልክዕ ድራማን ግጥምን ሳዕቤናት ዘይሕጋዊ ሰደት ኣስተምህሮ
ምሃብ፣ ባዕልቶም እቶም መናእሰይ ተሳተፍቲ ዝኾንሉ ዕድል ክፈጥር ኣለዎ፣
 ንዝተወደበ ይኹን ብውልቀ ንዝሰርሕ መንእሰይ ከጠናክር ምግባር
 ኣብ ዝግበሩ ተደጋጋሚ ዕዶታት ኣብ ክንዲ ሓደሽቲ ሞድየላት መናእሰይ ምፍጣር ንዝተወሰኑ ዝተለወጡ
መናእሰይ እናረኣኻ ምዕጋብ፣
1.10.2. ስድራ ቤት፣
 ምክርን ማዕዳን ምሃብ
 ሰራሕ ምፍጣር፣ እቲ መንእሰይ መማረፂ ክህልዎ ምግባር
 ኩለ መዳይ ሓገዝ ንምግባር ቅሩብ ምኳን የድሊ
 ብዝተክኣለ መጠን ነቲ መንእሰይ ክጭነቅ ዘይምግባር
 ኣብ መሬት ዘሎ ስፊሕ ፀገም ብዝተኸኣለ መጠን ክትፈትሕ ምምካር/ ንኣብን ንፈርቂ ምሃብ፣ ከፍልካ ምሃብ፣
ብመስኖ ተወሳኪ ኣታዊ ክርከብ ምግባር/

1.10.3. መንግስታዊ ኣካል

 ጥብቂ ቁፅፅር ንዘይሕጋዊ ዳላሎ


 ደገፍን ክትትልን ምግባር
 ንህዝቢ ውፍይ ብምኳን ዝወሃብ ግልጋሎት ስሉጥ ክኸውን ኣለዎ
 ኣብ ውዳበ መናእሰይ ትኩረት ክገብር ኣሎዎ
 ምስ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ተዋዲድካ ምስራሕ ከተኣታቱ ኣለዎ
 ኣብ ኣሰራርሓ ግበረለይ ክገብረልካ ክተርፍ ኣለዎ
 ንመናእሰይ ኣማራፂ ናይ ስራሕ ዕድል ክፍጠረሉ ኣለዎ
 በቢ ብርኩ ዘለው ዕንቅፋት ንዝፈጥሩ መንግስታው ኣካላት ተሪር ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ

1.10.4. ትካላት ሃይማኖት

 ኣብ ቤተእምነታት ንኣመንቲ ኣስተምህሮ ምሃብ


 መናእሰያት ካብ ሕማቅ ነገራት ክቁጠቡ ኣስተምህሮ ክህቡ ኣለዎም

1.10.5. ህዝባዊን ሞያዊ ማሕበራት

 ተሞኩሮ ልውጥ ምግባር


 መኮብለልቲ ክጥቁሙ ይግባእ
 ብዘለወን ዓቅሚ ኣብ መሰረተ ልምዓት ክድግፋ ኣለወን
 ንሕብረተሰብ ኣብ ምቅያር ዝለዓለ ትኩረት ክገብሩ ኣለዎም
 ኣብ ዝምልከተንን ዘይምልከተንን ጠውለቅለቅ ካብ ዝተጠየሻሉ ዕላማን ሓላፍነትን ተረዲአን ክሰርሓ ኣለወን

14
1.10.6. ገባሪቲ ሰናይ ትካላት

 ብመልክዕ ልቃሕ ንመናእሰይ ምሃብ


 በቢ ብርኩ ዘለው ዕንቅፋት ንዝፈጥሩ ኣብ ፍትሓዊ ልቓሕ ዝሰርሑ ኣካላት ዝምልከቶ ኣካል መምሃራይ
ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ/
 ናውትን ገንዘብን ሓገዝ ክገብሩ ይግባእ
 ኣድላይ ዝበሃሉ መሰረተ ልምዓት ንሕብረተሰብ ሓገዝ ምግባር
 ፕሮጀክትታት ብምቅራፅ ኣብ ተጠቃምነት መናእሰይ ክሰርሑ ኣለዎም፣
 ምስቲ መንግስቲ ንመናእሰይ መሰረት ገይሩ ከሰርሖ ዝሓስቦ ዘሎ ዕላማን ኣሰራርሓ ተዋዲዶም ክሰርሑ
ኣለዎም፣

1.10.7.ትካላት ትምህርቲ

 ዝተፈላለዩ መልእክቲ ፅሑፋት ብምድላው ንመናእሰይ ምስትምሃር


 ብኩለ መዳይ ብቁዕ ዝኮነ ዜጋ ኣብ ምፍራይ ምንጣፍ
 ብሞያ፣ ብፍልጠት፣ ብናውቲ ንመንእሰይ ዝድግፉ ነገር ምሕጋዝ
 ንሕብረተሰብን ንተምሃሮን ኣብ ምቕያር ስራሕ ባህሊ ክነጥፉ ኣለዎም
 ሳዕቤናት ዘይሕጋዊ ስደት ዝምልከት ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ተኻቲቱ ክወሃብ ኣለዎ፣

ለ. ትንተናን ውፅኢት ምይይ ትኩረት ጉጅለ፣ ሰብ ኩለ መዳይ ሓበሬታን

መንቀሊታት፣ ሳዕቤናት፣ መከላከሊ መንገድታት ዘይሕጋዊ ስደት ንዝብሉ መመያያጢ ሕቶታት ምስ ቀረበሎም
እቶም ተሳተፍቲ 8 ናይ ትኩረት ጉጅለታት/72 ተሳተፍቲ/፣16 ፈምቲ ኣካላትን 5 ግዳይ ዘይሕጋዊ ስደት
መናእሰይ ብድምር 93 ተሳተፍቲ ዝሃብዎም ሪኢቶታት ዝስዕብ ይኸውን
1. መንቀሊታት ዘይሕጋዊ ስደት፣ ኣብ ዝብል
 ድኽነትን ስእነት ስራሕን ብፋላይ 10 ይ ከፈልን ልዕሊኡን ዘለው ስራሕ ዘይብሎም መናእሰይ፣
ኣተሓሳስባ፣ ኣዋሃህባ ግልጋሎት/ንሕቶ መጠሻ፣ ልቃሕ፣ መስርሒ ቦታ እዋናዊ መልሲ ዘይምሃብ/
 ናይ ገረቤት፣ ወለዲ፣ ማሓዛን ዘይሕጋዊያን ደለልትን ፅዕንቶ ምህላው
 ከባቢዊ ሕበረተሰብ/ መሬት ንመንእሰይ ክዕደል ዘይምፍቃድ/
 ብመርበብ ዝራኸቡ ዘይሕጋዊያን ዳላሎ ዝቆፃፃር ኣካል ድኹም ምኳን
 ኣብ ከተማታት ንመንእሰይ ዝኸውን መዘናግዒ፣ ዝተፈላለዩ ሞያዊ ትምህርቲ ዝረክብሉ ቦታታት
ዘይምህላው
 ፀገም ምሕደራ መሬት፣ ፍትሓዊ ሃፈቲ ክፍፍል ዘይምህላው፣ ንድኻ ዝጥምት ኣይኮነን / ኣብ
መናእሰይ ለውጢ ንዘይብሉ በዓል ሃፈቲ መሬት ምዕዳል/
 ተማሂሮም ስራሕ ብምስኣኖም፣ ካብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሂወት ምግላል
 ብወገን ሰብ ሞያ ሕጊ /ፀጥታ፣ ፖሊስ፣ቤት ፍርዲ/ ንደለልቲ ዘምህሩ ስጉምቲ ብዘይምውሳድ
 ንስራሕ ስኡናት ዘጋታት ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ ልምዓት ኢንቨስትመንት ብወገን መንግስቲ ዝግበር
ፃዕሪ ትሑት ምኻን፣ /ንኣብነት ኣብ ጥቅሚ ከይወዓለ ብዙሕ ዓመት ዝገበረ ዝባክን መሬት/

15
 ኣብ ከባቢ ጣብያ ዝርከቡ ከባቢያዊ ሃፍተ ገነት ንኣብነት መኣድን/እመኒ፣ ሑፃ፣ሓመድ/ ሃፍቲ
እንስሳ ኮንስተራክሽን ንክዋፈሩ ምዕባይ ግንዛበ፣ ሞያዊ ስልጠና፣ ቀረብ ግላጋሎት ልቓሕን ብሰብ
ሞያ ዝግበር ደገፍን ክትትልን ትሑት ምኻን
1. ዘይሕጋዊ ስደት ዘስዕቦም ሳዕቤናት ዝምልከት

ኣብ ተሰዳዲ ኣካል
ድኻም፣ ረሃብ፣ ብደለልቲ ዝበፅሑ ምንግልታዓት፣ ምፍርራሕ፣ መውቃዕቲ፣ ኣገዲድካ
ምድፋር/ንዝተፈላለዩ ሕማማትን ዘይተደለ ጥንስን ምቅላዕ፣ኣካልካ ምጉዳል፣ ምዝራፍ ኣካል
ተኽለ ሰውነት/ኮላሊት፣ ዓይኒ፣ልቢ ወዘተ /፣ ናብ ባሕሪ ምስማጥ፣ በቢ መንገዱ ድማ ኣደዳ ሞት
ምኻን

ፎቶ ናይ ስደት ኣበ ባሕሪ ወዘተ--------------- ኣሎ

ንኣብነት ካብተን ዳህሳስ ዘካየድናለን ሕድ ሕድ ወረዳታት ዝተወሰደ መረዳእታ ሰነድ እንተወስድና


ሰደቃ 5

ተቁ ሰም ዝርዝር ወረዳ በዝሒ ዝሞቱ ዝተመለሱ መብርሂ


ዘይሕጋዊ
ተሰደድቲ ካብ
2010-2012
ዓ.ም
1 ወረዳ ኢሮብ 1168 16 305
2 ወረዳ ሳ/እምባ
3 ወረዳ ኣፀንበርታ 2503 86 886
4 ከተማን ዓዲጉዶምን 690 17 130

16
ሕ/ዋጅራት
5 ራያ ዓዘቦ 1335 34 301
6 ወረዳ ዓድዋ 14 11
7 ወረዳ ኦፍላ 269 2 59
8 ኣሕፈሮም 7737 912

ኣበ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ፣ ብገባሪ ሰናይ ውድብ ስደተኛታት ዓለም ዝተሓገዘ ተመላሲ ስደት

ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦ፣ ከቢድ ኣካል መጉዳእቲ ዝጋጠማ ንእስቲ


ኣብ ወለዲ
 ኣብ ወለዲ ዘይምርግጋዕ ስነ ኣእምሮ ይፈጥር፣
 ኣብ ርእሲ ፀገምካ እተን ዘለዋኻ ሃፈተ ገነትካ ብደለልቲ ምዝራፍ፣
 ኣብ መንጎ ሰብ ሓዳር ፍትሕ ንኸጋጥም ቀንዲ ምኽንያት ይኸውን
 ኣብ ዘየድሊ ዕዳን ልቃሕን ምእታው፣ ብሰንኪ ልቃሕ ሃበኒ ኣይህብን ምስ ቀረባ ቤተሰብ
ዝምድና ምትሕርፋፍ ይፍጠር

17
ኣብ ማሕብረሰብ
 ምብራዝ ባህሊ /አከዳድና፣ ኣመጋግባ/
 ምብዛሕ ዝፍፀሙ ዝተፈላለዩ ገበናት ወዘተ
 ንምድኻም ባህሊ ስራሕ ፈጠራይነት የቃልዕ

2.ኣብ ምክልካል ዘይሕጋዊ ዝውውር ደቂ ሰባት ክውሰዱ ዝግበኦም ስጉምትታት እንታይ እንታይ
ክግበሩ ኣለዎም ኣብ ዝብል መመያየጢ ሕቶ መሰረት ገይሮም ዝሃብዎም ሪኢቶታት

 ኣብቲ ከባቢ ሕብረተሰብን መንእሰይ ወለዶን ዘላቂ ምዕባይ ግንዛበን ኣስተምህሮ ምሃብን
 ስሉጡን ፍትሓዊን ግልጋሎትበ ኣወሃህበን ምሕደራ ሃፍትን ክተኣታቶ ምግባር
 ብወገን ሕብረተሰብ ፈፀምትን ኣካላት ፍትሕን ኣብ ምቅላዕን ሕጋዊ ስጉምቲ ኣብ ኻብሞያ
ትምህርትን ስልጠናን ዝተደገፈ ቀረብ ግልጋሎት ልቃሕ፣ መስርሒ ቦታ፣ ምትእስሳር ዕዳጋን
ክህልው ምስራሕ
 ኣብ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ሰደት ፈፀምቲ ኣካላት ኣብ ትልሞሞን በጀቶምን ምክታት
 ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እውን ዝካተተሉ መንገዲ ክህልው ምግባር
 ከም ሃገርን ክልልን ድማ ናይ ስደት ፖሊሲ ተቐሪፁ ኣብ ስራሕ ክህልው ምግባር የድሊ
1.10.8. ዘይሕጋዊ ስደት ንምክልኻል ሕዚ ዘለው ዕድላት
 ብዘይሕጋዊ መንገዲ ንምኻድ ዝኽፈል መጠን ክፍሊት ምብዝሑ / ከባቢ 300 ሽሕ ብር ምብፅሑ ዝከይድ
ሰኣን ገንዘብ እቲ ዝከይድ ሰደተኛ ንንኪ ዕድል ዝፈጥር እዩ/
 ብምኽንያት ሕማም ኮሮና ዝወፁ ናይ ክልከላታት፣ መምርሕታትን ቁፅፅርን ምህላዎም /ብፍላይ ኣብ
መእተውን መውፅእን ኬላታት /

ምክረ ሓሳብ

18
19

You might also like